target_sentence 17 ኣብራም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆዋ ንኣብራም ተራእዮ፣ “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፡ ኣበር ዘይብልካ* እውን ኩን። 2 ኣነ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኪዳነይ ከቕውም እየ፣+ ኣዝየ፡ ኣዝየ እውን ከብዝሓካ እየ” በሎ።+ 3 ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍአ፣ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 4 “እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፣+ ንስኻ ኸኣ ብርግጽ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ።+ 5 ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝገብረካ፡ ኣብርሃም* ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም* ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን እዩ። 6 ኣዝየ፡ ኣዝየ ኸፍርየካ፡ ኣህዛብ ከም እትኸውን እውን ክገብረካ እየ፣ ነገስታት ከኣ ካባኻ ኺወጹ እዮም።+ 7 “ኣነ ድማ ንዓኻ፡ ብድሕሬኻ ኸኣ ንዘርእኻ ኣምላኽ ክኸውን፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ መንጎ ዘርእኻ ንውሉድ ወለዶ ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክሕሉ እየ።+ 8 እዛ ጓና ዄንካ ዝነበርካላ ምድሪ፡+—ኵላ ምድሪ ከነኣን፡—ንዓኻ፡ ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻ ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።”+ 9 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ኸኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፣ ንስኻ፡ ብድሕሬኻ ድማ ዘርእኻ ንውሉድ ወለዶ ኽትሕልዉ ኢኹም። 10 እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን፡ ብድሕሬኻ ድማ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፦ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር።+ 11 ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።+ 12 ኣብ ብዘሎ ወለዶኹም፡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ዝዀነ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ ቤት እተወልደ ዘበለን ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ብገንዘብ እተዓደገ ዘበለ ጓናን ይገዘር።+ 13 ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለን ብገንዘብካ እተዓደገ ዘበለን ይገዘር፣+ ኣብ ስጋኹም ዚግበር ኪዳነይ ድማ፡ ናይ ሓዋሩ ኪዳን ኪኸውን እዩ። 14 ዘይግዙር ዘበለ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ እንተ ዘይተገዚሩ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።* ኪዳነይ ኣፍሪሱ እዩ።” 15 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “ንሰበይትኻ ሳራይ፡*+ ስማ ሳራ* ስለ ዚኸውን፡ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ። 16 ክባርኻ፡ ካብኣ እውን ወዲ ኽህበካ እየ፣+ ክባርኻ እየ፡ ኣህዛብ ከኣ ክትከውን እያ፣ ነገስታት ህዝብታት ካብኣ ኺወጹ እዮም” በሎ። 17 ሽዑ፡ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍአ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡+ “ንወዲ 100 ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፧ ጓል 90 ዓመት ዝዀነት ሳራኸ ኽትወልድ ድያ፧” በለ።+ 18 ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ “እስማኤል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብር” በሎ።+ 19 ኣምላኽ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ሰበይትኻ ሳራ ብርግጽ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ ድማ ይስሃቅ* ኣውጽኣሉ።+ ኪዳነይ ከኣ ምስኡ፡ ብድሕሪኡ እውን ምስ ዘርኡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ከቕውም እየ።+ 20 ብዛዕባ እስማኤል ድማ ሰሚዐካ ኣለኹ። እንሆ፡ ክባርኾን ከፍርዮን ኣዝየ ኸብዝሖን እየ። 12 ሹም ኪወልድ እዩ፣ ዓብዪ ህዝቢ ድማ ክገብሮ እየ።+ 21 ግናኸ፡ ኪዳነይ ምስቲ ሳራ ንዓመታ በዚ ምዱብ ግዜ እዚ+ እትወልዶ ይስሃቅ ከቕውም እየ።”+ 22 ኣምላኽ ምስኡ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ካብ ኣብርሃም ደየበ። 23 ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ኣብ ቤቱ ንእተወልዱ ዅሎምን ብገንዘቡ ንእተዓደጉ ዅሎምን፡ ካብ ቤተ ሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ እተዛረቦ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ።+ 24 ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ 99 ዓመት ኰይኑ ነበረ።+ 25 ወዱ እስማኤል ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ ድማ፡ ወዲ 13 ዓመት ኰይኑ ነበረ።+ 26 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብርሃምን ወዱ እስማኤልን ተገዝሩ። 27 ኵሎም ሰብኡት ቤተ ሰቡ፡ ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዘበሉን ብገንዘቡ ኻብ ጓና እተዓደጉ ዘበሉን እውን ምስኡ ተገዝሩ። 30 ራሄል ንያእቆብ ውሉዳት ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረኣየት፡ ንሓብታ ቐንኣትላ፣ ንያእቆብ ከኣ፡ “ውሉዳት ሃበኒ፣ እንተ ዘይኰነ ኽመውት እየ” በለቶ። 2 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ኣዝዩ ተቘጥዓ፣ “ኣነዶ ኣብ ቦታ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ፧” ድማ በላ። 3 ንሳ ኸኣ፡ “እንሃ ቢልሃ ባርያይ።+ ውሉዳት ምእንቲ ኽትወልደለይ፡* ብእኣ ኣቢለ እውን ውሉዳት ምእንቲ ኺህልዉንስ፡ ናብኣ እቶ” በለቶ። 4 ንቢልሃ ገረዳ ኸኣ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ፣ ያእቆብ እውን ናብኣ ኣተወ።+ 5 ቢልሃ ድማ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ወዲ ወለደትሉ። 6 ሽዑ፡ ራሄል፡ “ኣምላኽ ዳኛይ ኰይኑ፡ ቃለይ ሰሚዑ እውን ወዲ ሂቡኒ” ኢላ ስሙ ዳን* ኣውጽኣትሉ።+ 7 ቢልሃ ገረድ ራሄል መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 8 ሽዑ፡ ራሄል፡ “ምስ ሓብተይ ሓያል ቅልስ ተቓሊሰ፡ ተዓወትኩ” ኢላ ስሙ ንፍታሌም* ኣውጽኣትሉ።+ 9 ልያ ኸኣ ምውላድ ከም ዘቋረጸት ምስ ረኣየት፡ ንዚልጳ ገረዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ።+ 10 ዚልጳ ገረድ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። 11 ሽዑ፡ ልያ፡ “ተዓዲለ” ኢላ ስሙ ጋድ* ኣውጽኣትሉ።+ 12 ድሕርዚ፡ ዚልጳ ገረድ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 13 ሽዑ፡ ልያ፡ “ኣዋልድ ብርግጽ ሕጕስቲ ኺብላኒ እየን እሞ፡ ተሓጒሰ”+ ኢላ ስሙ ኣሴር* ኣውጽኣትሉ።+ 14 ሮቤል+ ድማ ብግዜ ዓጺድ ስርናይ ኣብ መሮር ኪኸይድ ከሎ፡ ፍረታት ማንድራጎራ* ረኸበ። ናብ ኣዲኡ ልያ ኸኣ ኣምጽኦ። ሽዑ፡ ራሄል ንልያ፡ “በጃኺ ኻብ ፍረታት ማንድራጎራ ወድኺ ሃብኒ” በለታ። 15 ንሳ ኸኣ፡ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ውሒዱ፧+ ፍረታት ማንድራጎራ ወደይ ድማዶ ኽትወስዲ፧” በለታ። ሽዑ፡ ራሄል፡ “ሕራይ፡ ኣብ ክንዲ ፍረታት ማንድራጎራ ወድኺ፡ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ” በለታ። 16 ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ኪኣቱ ኸሎ፡ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ “ብፍረታት ማንድራጎራ ወደይ ስለ እተኻረኹኻ፡ ናባይ ኢኻ እትኣቱ” በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ምስኣ ደቀሰ። 17 ኣምላኽ ድማ ንልያ ሰምዓ፡ ንሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ሓምሻይ ወዲ ወለደትሉ። 18 ሽዑ፡ ልያ፡ “ገረደይ ንሰብኣየይ ስለ ዝሃብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሂቡኒ” ኢላ፡ ስሙ ይሳኮር* ኣውጽኣትሉ።+ 19 ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሻድሻይ ወዲ ወለደትሉ።+ 20 ሽዑ፡ ልያ፡ “ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒ። ሽዱሽተ ኣወዳት ስለ ዝወለድኩሉ፡+ ሕጅስ ሰብኣየይ ኪጻወረኒ እዩ”+ ኢላ ስሙ ዛብሎን* ኣውጽኣትሉ።+ 21 ድሕርዚ ድማ፡ ጓል ወለደት፡ ስማ ኸኣ ዲና ኣውጽኣትላ።+ 22 ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ፣ ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ፡ ጥንሲ ኽትሕዝ ኣኽኣላ።*+ 23 ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። ሽዑ፡ “ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሓቐለይ” በለት።+ 24 “የሆዋ ኻልእ ወዲ ይወስኸኒ” ኢላ ኸኣ ስሙ ዮሴፍ* ኣውጽኣትሉ።+ 25 ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፡ ብኡብኡ ያእቆብ ንላባን፡ “ናብ ቦታይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሳናብተኒ።+ 26 ከመይ ከም እተገዛእኩኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡ ክኸይድሲ፡ እተን ምእንታአን እተገዛእኩኻ ኣንስተይን ደቀይን ሃበኒ” በሎ።+ 27 ላባን ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ የሆዋ ምእንታኻ ኢሉ ይባርኸኒ ኸም ዘሎ፡ ፋል ርእየ* ኣለኹ” በሎ። 28 ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ዓስብኻ ንገረኒ እሞ፡ ክህበካ እየ” በለ።+ 29 ያእቆብ ድማ፡ “ከመይ ከም እተገዛእኩኻ፡ መጓሰኻ እውን ከመይ ከም ዝዀና ትፈልጥ ኢኻ።+ 30 ኣነ ቕድሚ ምምጻአይ ሒደት ነበራኻ፣ ኣነ ኻብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ግና መጓሰኻ በዚሐንን ረቢሐንን እየን፡ የሆዋ ድማ ባሪኹካ እዩ። ሕጂኸ ንቤተይ ደኣ መዓስ ገለ ኽገብር እየ፧” በሎ።+ 31 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ እሞ ኽህበካ፧” በሎ። ያእቆብ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ገለ እኳ ኣይትሃበኒ። እዚ ሓደ ነገር እዚ እንተ ጌርካለይ፡ መሊሰ ንመጓሰኻ ኽጓስየንን ክሕልወንን እየ።+ 32 ሎሚ፡ ብመንጎ ዅለን መጓሰኻ ኽሓልፍ እየ። ካብአን ከኣ ኵለን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣባጊዕ፡ ኵሎም ደባን ቡናዊ ገንሸላት* ኣባጊዕ፡ ጕራጕራን ትኳዕ ትኳዕን ዘበላ ኣጣል ፍለ። ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ከምዚኣተን ዘበላ ዓስበይ ይኹና።+ 33 ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዓስበይ ክትጸባጸብ ምስ እትመጽእ፡ ጽድቀይ* ኪምስክረለይ እዩ፣ ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ዘይኰና ኣጣልን ደባን ቡናዊ ዘይኰኑ ገንሸላትን ምሳይ እንተ ተረኺቦም፡ ከም እተሰርቀ ጌርካ ይቝጸር።” 34 ላባን ከኣ፡ “ሕራይ፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹን” በለ።+ 35 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ሽራጥ ሽራጥን ጕራጕራን ድቤላታት፡ ኵለን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣጣል፡ ገለ ጻዕዳ ዘለዎም ዘበሉን ደባን ቡናዊ ዘለዎም ዘበሉን ገንሸላት ፈለየ፣ ኣብ ኢድ ደቁ ድማ ሃቦም። 36 ድሕርዚ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣረሓሓቐ፣ ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባን ይጓሲ ነበረ። 37 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ካብ ኣእዋም ሊብነን ለውዝን ዓርሞንን ጥሉል ኣባትር ወሲዱ፡ ነቲ ኣባትር ቀሊጡ ዕሮርባይ ገበሮ። 38 ነቲ ዕሮርባይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ እተን መጓሰ ኺሰትያሉ ዚመጻ ጋብላታት ገበሮ፣ ኪሰትያ ምስ ዚመጻ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይስረራ ነበራ። 39 ስለዚ፡ እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ይስረራ እሞ፡ እተን መጓሰ ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ይወልዳ ነበራ። 40 ያእቆብ ከኣ ነቶም ገንሸላት ፈለየ፣ ገጽ እተን መጓሰ ኸኣ ናብተን ኣብ መጓሰ ላባን ዚርከባ ሽራጥ ሽራጥን ኵለን ደባን ቡናውን ገበረ። ድሕርዚ፡ ንመጓሰኡ ፈለየን፡ ምስ መጓሰ ላባን ከኣ ኣይሓወሰንን። 41 በቲ እተን ብርቱዓት መጓሰ ዚስረራሉ እዋን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኺስረራ፡ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብቲ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ። 42 እተን መጓሰ ድኹማት ኣብ ዝነበራሉ እዋን ግና፡ ነቲ ኣባትር ኣብኡ ኣየንብሮን ነበረ። ስለዚ፡ እተን ድኹማት ንላባን፡ እተን ብርቱዓት ግና ንያእቆብ ይዀና ነበራ።+ 43 እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዝዩ በልጸገ፡ ብዙሓት መጓሰን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ድማ ነበሮ።+ 35 ድሕርዚ፡ ኣምላኽ ንያእቆብ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ቤት-ኤል ደይብ፡+ ኣብኣ እውን ተቐመጥ፣ ኣብኣ ድማ ነቲ ኻብ ሓውካ ኤሳው ክትሃድም ከለኻ+ እተራእየካ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መሰውኢ ግበር” በሎ። 2 ሽዑ፡ ያእቆብ ንቤተ ሰቡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፡ “ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡+ ጽረዩ፡ ክዳውንትኹም እውን ለውጡ፣ 3 ንተንስእ፡ ናብ ቤት-ኤል ድማ ንደይብ። ኣብኣ ኸኣ ነቲ ብመዓልቲ ጭንቀይ ዝመለሰለይን ኣብ ዝኸድክዎ ዘበለ* ምሳይ ዝነበረን ናይ ሓቂ ኣምላኽ መሰውኢ ኽገብር እየ” በሎም።+ 4 ምሳታቶም ዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብትን ድማ ንያእቆብ ሃብዎ፣ ያእቆብ ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዝነበረ ዓብዪ ኦም ቀበሮ።* 5 ጕዕዞኦም ምስ ቀጸሉ ኸኣ፡ ኣብተን ኣብ ዙርያኦም ዝነበራ ኸተማታት ካብ ኣምላኽ ሽበራ ስለ ዝዀነ፡ ንደቂ ያእቆብ ኣይሰጐጕዎምን። 6 ያእቆብ ምስ ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን እትርከብ ሉዝ፡+ ንሳ ድማ ቤት-ኤል፡ መጸ። 7 ኣብኣ ኸኣ መሰውኢ ሰርሐ፣ ካብ ሓዉ ኺሃድም ከሎ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኣ ስለ እተገልጸሉ ድማ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ኤል-ቤት-ኤል* ኢሉ ሰመያ።+ 8 ዴቦራ፡+ መጕዚት ርብቃ፡ ኸኣ ሞተት፣ ኣብ ትሕቲ ቤት-ኤል፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገዚፍ ኦም ድማ ተቐብረት። ስለዚ ኸኣ፡ ኣሎን-ባኹት* ኢሉ ሰመዮ። 9 ያእቆብ ካብ ጳዳን-ኣራም ኪመጽእ ከሎ፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራእዮ፡ ባረኾ ኸኣ። 10 ኣምላኽ ድማ፡ “ስምካ ያእቆብ እዩ።+ ድሕሪ ደጊም ስምካ ያእቆብ ኣይኪብሃልን እዩ፣ የግዳስ፡ ስምካ እስራኤል ኪብሃል እዩ” በሎ።+ እስራኤል ኢሉ እውን ኪጽውዖ ጀመረ። 11 ኣምላኽ ከኣ ኣስዒቡ፡ “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ።+ ፍረን ተባዛሕን። ኣህዛብን ጭፍራ ኣህዛብን ካባኻ ኺወጹ እዮም፣+ ነገስታት ከኣ ካባኻ ኺውለዱ* እዮም።+ 12 እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሃብክዎም ምድሪ፡ ንዓኻ ኽህበካ እየ፣ ብድሕሬኻ ድማ እታ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ” በሎ።+ 13 ድሕርዚ፡ ኣምላኽ ካብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ደየበ። 14 ያእቆብ ከኣ ኣብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ሓወልቲ፡ ሓወልቲ እምኒ፡ ኣቘመ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣፍሰሰ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ዘይቲ ኣፍሰሰ።+ 15 ያእቆብ ከኣ ነታ ኣምላኽ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ፡ ቤት-ኤል ኢሉ ይጽውዓ ነበረ።+ 16 ካብ ቤት-ኤል ድማ ተላዕሉ። ናብ ኤፍራታ ኺበጽሑ ገና ገለ ርሕቐት ተሪፍዎም ከሎ ኸኣ፡ ራሄል ሕርሲ ተታሕዘት፣ ሽዑ፡ ጻዕሪ ኣዝዩ በርትዓ። 17 ብሕርሲ ኽትጽዓር ከላ ግና፡ እታ መሕረሲት፡ “ሕጂ እውን ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ” በለታ።+ 18 ክትመውት ኢላ፡ ህይወታ ኽትሓልፍ ከላ፡* ቤን-ኦኒ* ኢላ ሰመየቶ፣ ኣቦኡ ግና ብንያም* ኢሉ ሰመዮ።+ 19 ራሄል ከኣ ሞተት፣ ኣብ መገዲ ኤፍራታ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ልሄም፡ ድማ ተቐብረት።+ 20 ሽዑ፡ ያእቆብ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ኣቘመ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ፡ ንሱ ሓወልቲ መቓብር ራሄል እዩ። 21 ድሕርዚ፡ እስራኤል ካብኡ ተላዒሉ ድንኳኑ ኽንየው ግምቢ ዔደር ተኸለ። 22 እስራኤል ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃ ሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ፣ እስራኤል ከኣ ሰምዐ።+ ኣወዳት ያእቆብ ድማ 12 ነበሩ። 23 ደቂ ልያ፡ እቲ በዅሪ ያእቆብ ዝዀነ ሮቤልን+ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን ነበሩ። 24 ደቂ ራሄል፡ ዮሴፍን ብንያምን ነበሩ። 25 ደቂ ቢልሃ ገረድ ራሄል፡ ዳንን ንፍታሌምን ነበሩ። 26 ደቂ ዚልጳ ገረድ ልያ ኸኣ፡ ጋድን ኣሴርን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ጳዳን-ኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም። 27 ያእቆብ ድማ ናብታ ኣቦኡ ይስሃቅ ዝነበረላ መምሬ፡+ ናብ ቂርያት-ኣርባዕ፡ መጸ፣ ንሳ ኸኣ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ጓኖት ኰይኖም እተቐመጡላ+ ኬብሮን እያ። 28 ይስሃቅ ድማ 180 ዓመት ነበረ።+ 29 ይስሃቅ ድማ ትንፋሱ ሓለፈት እሞ ሞተ፡ ኣሪጉን ዕድመ* ጸጊቡን ከኣ ናብ ህዝቡ ተኣከበ፣* ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ድማ ቀበርዎ።+ 31 ደቂ ላባን ድማ፡ “እቲ ናይ ኣቦና ዘበለ ዅሉ ያእቆብ ወሲድዎ፣ ካብቲ ናይ ኣቦና ዘበለ ኸኣ ነዚ ዅሉ ሃብቲ ደሊቡ” ይብሉ ኸም ዝነበሩ ሰምዐ።+ 2 ያእቆብ፡ ገጽ ላባን ምስ ጠመተ፡ ንዕኡ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ቀደሙ ኸም ዘይኰነ ረኣየ።+ 3 የሆዋ ኸኣ ንያእቆብ፡ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ኣዝማድካን ተመለስ፡+ ኣነ እውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ። 4 ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብተን መጓሰኡ ናብ መሮር ጸውዐን፡ 5 ከምዚ ኸኣ በለን፦ “ኣቦኽን ንዓይ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸም እተቐየረ ርእየ እየ፣+ ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነበረ።+ 6 ንኣቦኽን ብዅሉ ሓይለይ ከም እተገዛእክዎ፡ ባዕልኻትክን ብርግጽ ትፈልጣ ኢኽን።+ 7 ኣቦኽን ከኣ ዓስበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታሊሉኒ፣ ኣምላኽ ግና ኪጐድኣኒ ኣይፈቐደሉን። 8 በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ‘ትኳዕ ትኳዕ ዘበላ ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለ፡ ኵለን እተን መጓሰ ትኳዕ ትኳዕ ወለዳ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ‘ሽራጥ ሽራጥ ዘበላ ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለ ኸኣ፡ ኵለን እተን መጓሰ ሽራጥ ሽራጥ ወለዳ።+ 9 በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንዓይ ሃበኒ። 10 በቲ እተን መጓሰ ዚስረራሉ እዋን ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፡ ብሕልሚ ኸኣ እቶም ነተን መጓሰ ዚሰርሩወን ድቤላታት፡ ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ነጠብጣብን ምዃኖም ረኣኹ።+ 11 ሽዑ፡ መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብሕልሚ፡ ‘ያእቆብ’ በለኒ፣ ኣነ ድማ፡ ‘እነኹ’ በልኩ። 12 ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ኵሎም እዞም ነተን መጓሰ ዚሰርሩወን ዘለዉ ድቤላታት ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ነጠብጣብን ምዃኖም ርአ፣ ከመይሲ፡ እቲ ላባን ዝገበረካ ዅሉ ርእየዮ ኣለኹ።+ 13 ኣነ እቲ ሓወልቲ ኣብ ዝቐባእካሉን ንዓይ መብጽዓ ኣብ እተመባጻዕካሉን+ ቤት-ኤል እተረኣኹኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እየ።+ ሕጂ ተንስእ እሞ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ናብታ እተወለድካላ ምድሪ ተመለስ’ በለኒ።”+ 14 ራሄልን ልያን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሉ፦ “ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና እንወርሶ ግደ ኣልዩና፧ 15 ካብ ሸጠናን ነቲ ምእንታና እተኸፍለ ገንዘብ ካብ በልዖን፡ ከም ጓኖት ቈጺሩናዶ ኣይኰነን፧+ 16 ኵሉ እቲ ኣምላኽ ካብ ኣቦና ዘግደፎ ሃብቲ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ።+ ሕጂ እምበኣር፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝበለካ ግበር።”+ 17 ሽዑ፡ ያእቆብ ተንሲኡ፡ ደቁን ኣንስቱን ኣብ ኣግማል ኣወጥሐ።+ 18 ንዅለን እተን መጓሰን ንዅሉ እቲ ዘጥረዮ ጥሪትን፡+ ኣብ ጳዳን-ኣራም ዘጥረየን ማሉ፡ ወሲዱ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ ምድሪ ከነኣን ኪጕዓዝ ጀመረ።+ 19 ላባን ከኣ ኣባጊዕ ኪቕምቅም ከይዱ ነበረ፣ ራሄል ድማ ተራፊም*+ ኣቦኣ ሰረቐት።+ 20 ያእቆብ ድማ ንላባን እቲ ኣራማዊ ገለ ኸይበሎ ስለ ዝሃደመ፡ ኣዐሸዎ። 21 ዘለዎ ዅሉ ሒዙ ኸኣ ሃደመ፡ ፈለግ*+ እውን ተሳገረ። ናብ ኣኽራን ጊልዓድ ኣቢሉ ድማ ኣቕንዐ።+ 22 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ያእቆብ ከም ዝሃደመ፡ ንላባን ተነግሮ። 23 ንሱ ኸኣ ኣሕዋቱ* ምስኡ ወሲዱ፡ ደድሕሪኡ መገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ሰዓበ፡ ኣብ ኣኽራን ጊልዓድ ከኣ ኣርከቦ። 24 ሽዑ፡ ኣምላኽ ብሕልሚ ለይቲ+ ናብ ላባን እቲ ኣራማዊ+ መጺኡ፡ “ብዛዕባ እቲ ንያእቆብ እትዛረቦ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ተጠንቀቕ”* በሎ።+ 25 ያእቆብ ድንኳኑ ኣብ ከረን ተኺሉ ኸሎ፡ ላባን ናብ ያእቆብ ቀረበ፣ ላባን ድማ ምስ ኣሕዋቱ ኣብ ኣኽራን ጊልዓድ ሰፈረ። 26 ሽዑ፡ ላባን ንያእቆብ ከምዚ በሎ፦ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧ ስለምንታይ ኢኻ ዘዐሾኻኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ንኣዋልደይ ብሰይፊ ኸም እተማረኻ ዝኸብከብካየን፧ 27 ስለምንታይ ኢኻ ኸይነገርካኒ ተሓቢእካ ዝሃደምካን ዘዐሾኻንን፧ እንተ ትነግረኒ፡ ብሓጐስን ብመዝሙርን ብኸበሮን ብመሰንቆን* መሰናበትኩኻ ነይረ። 28 ንስኻ ግና ንደቂ ደቀይን* ንኣዋልደይን ክስዕሞም እኳ ዕድል ኣይሃብካንን። ዕሽነት ኢኻ ጌርካ። 29 ክጐድኣኩም እኽእል* እየ፣ ኣምላኽ ኣቦኹም ግና ትማሊ ለይቲ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ንያእቆብ እትዛረቦ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ተጠንቀቕ’ ኢሉ ተዛሪቡኒ እዩ።+ 30 ቤት ኣቦኻ ናፊቕካ ኻብ ከድካስ፡ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኣማልኽተይ ዝሰረቕካ፧”+ 31 ያእቆብ ድማ ንላባን፡ “ኣዋልድካ ብሓይሊ ኸይተግድፈኒ ኢለ ስለ ዝፈራህኩ እየ። 32 እቲ ኣማልኽትኻ እተረኽቦ ኸኣ ብህይወት ኣይንበር። ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትና ጐርጒርካ፡ ናትካ ዘበለ ውሰድ” ኢሉ መለሰሉ። ያእቆብ ግና፡ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ኣይፈለጠን ነበረ። 33 ላባን ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን ክልቲአን ባሮትን ኣተወ፣+ ግናኸ ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወጺኡ ኸኣ፡ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ። 34 ራሄል ድማ ነቶም ተራፊም ወሲዳ፡ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኮረሻ ገመል ኣእትያ፡ ኣብ ልዕሊኦም ኮፍ በለት። ላባን ከኣ ንብዘላ እታ ድንኳን ጐርጐራ፣ ግናኸ ኣይረኸቦምን። 35 ንሳ ኸኣ ንኣቦኣ፡ “ጐይታይ፡ እቲ ናይ ኣንስቲ ልምዲ መጺኡኒ እዩ እሞ፡+ ኣብ ቅድሜኻ ሓፍ ክብል ብዘይምኽኣለይ፡ ኣይትቈጣዕ” በለቶ። ንሱ ድማ ኣጸቢቑ ጐርጐረ፣ ግናኸ ነቶም ተራፊም ኣይረኸቦምን።+ 36 ሽዑ፡ ያእቆብ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ንላባን ድማ ነቐፎ። ያእቆብ ድማ ንላባን ከምዚ በሎ፦ “ደድሕረይ ዝሰዓብካስ፡ እንታይ እዩ በደለይ፧ እንታይከ እዩ ሓጢኣተይ፧ 37 ሕጂ ንዅሉ ኣቕሖይ ጐርጒርካኸ፡ ካብ ኣቕሑ ቤትካ እንታይ ረኺብካ፧ ኣብ መንጎ ኽልቴና ኺፈርዱስ፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተይን ኣሕዋትካን ኣንብሮ። 38 ኣብዘን ምሳኻ ዝነበርኩለን 20 ዓመት፡ ኣባጊዕካን ኣጣልካን ኣየቘልዓን፣+ ደዓውል መጓሰኻ እውን ከቶ ኣይበላዕኩን። 39 ኣራዊት ዝሰላልዖ እንስሳ ባዕለይ ተካእኩልካ እምበር፡ ኣየምጻእኩልካን።+ መዓልቲ እተሰርቀ ዀነ ለይቲ እተሰርቀ እንስሳ ድማ፡ ካብ ኢደይ ትደልዮ ነበርካ። 40 ብመዓልቲ ሃሩር፡ ብለይቲ እውን ቍሪ ወዲኡኒ፡ ድቃስ ከኣ ካብ ዓይነይ በረረ።+ 41 በዚ ኸምዚ ኣብ ቤትካ 20 ዓመት ገበርኩ። 14 ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣዋልድካ፡ 6 ዓመት ከኣ ምእንቲ መጓሰኻ ተገዛእኩኻ፣ ዓስበይ ከኣ ዓሰርተ ሳዕ ለዋወጥካ።+ 42 ኣምላኽ ኣቦይ፡+ ኣምላኽ ኣብርሃምን እቲ ይስሃቅ ዚፈርሆን፡*+ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፡ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። ኣምላኽ ግና መከራይን ጻዕሪ ኢደይን ረኣየ፣ ስለዚ ድማ እዩ ትማሊ ለይቲ ዝገንሓካ።”+ 43 ላባን ድማ ንያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እዘን ኣዋልድ፡ ኣዋልደይ እየን፣ እዞም ደቂ ኸኣ፡ ደቀይ እዮም፣ እዘን መጓሰ ድማ፡ መጓሰይ እየን፣ ኵሉ እዚ እትርእዮ ዘለኻ ኸኣ፡ ናተይን ናይ ኣዋልደይን እዩ። ሎሚ እሞ ኣብ ልዕሊ እዚኣተን ኰነ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ ክገብር እየ፧ 44 ሕጂ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ምስክር ኪኸውን እዩ።” 45 ያእቆብ ከኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ገይሩ ኣቘሞ።+ 46 ያእቆብ ድማ ንኣሕዋቱ፡ “ኣእማን እረዩ” በሎም። ኣእማን ወሲዶም ከኣ ጨርሒ ጨርሑ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ። 47 ላባን ድማ ይጋር-ሰሃዱታ* ኢሉ ሰመዮ፣ ያእቆብ ከኣ ጋልዔድ* ኢሉ ሰመዮ። 48 ሽዑ፡ ላባን፡ “ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ። ስለዚ፡ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ፣+ 49 ግምቢ ዘብዐኛ እውን ተባህለ፣ ከመይሲ፡ “ንሓድሕድና ኣብ ዘይንርኣኣየሉ፡ የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይቋመት። 50 ንኣዋልደይ እንተ ገፊዕካየንን ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቲኻን፡ ምሳና እኳ ሰብ እንተ ዘየልቦ፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ምዃኑ ዘክር” ኢሉ ነበረ። 51 ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ ከምዚ በሎ፦ “እንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ ኸኣ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ። 52 ኣነ ኽጐድኣካ ኢለ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሓልፍ፡ ንስኻ እውን ክትጐድኣኒ ኢልካ ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ሓወልቲ እዝን ከይትሓልፍ፡ እዚ ጨርሒ እዚ ምስክር እዩ፡ እዚ ሓወልቲ እዚ እውን ይምስክር እዩ።+ 53 ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ።” ያእቆብ ድማ በቲ ኣቦኡ ይስሃቅ ዚፈርሆ፡* መሓለ።+ 54 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ኣብቲ ኸረን መስዋእቲ ሰውአ፣ ንኣሕዋቱ ኸኣ እንጌራ ኺበልዑ ዓደሞም። በሊዖም ከኣ ኣብቲ ኸረን ሓደሩ። 55 ላባን ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ንደቂ ደቁን*+ ንኣዋልዱን ከኣ ስዒሙ መረቖም።+ ድሕሪኡ፡ ላባን ነቒሉ ናብ ዓዱ ተመልሰ።+ 18 ድሕርዚ፡ መዓልቲ ኣብ ዚድህረሉ እዋን፡ ንሱ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ፡ የሆዋ+ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ+ ተራእዮ። 2 ኣዒንቱ ኸኣ ኣልዓለ እሞ፡ ሰለስተ ሰብኡት ካብኡ እተወሰነ ርሒቖም ደው ኢሎም ረኣየ።+ ምስ ረኣዮም፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ። 3 ከምዚ ድማ በለ፦ “የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ንጊልያኻ ኣይትሕለፈኒ። 4 በጃኹም ሒደት ማይ ይምጽኣልኩም እሞ፡ ኣእጋርኩም ተሓጸቡ፣+ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ተቐመጡ። 5 ናብ ጊልያኹም ካብ መጻእኩምሲ፡ ሓይልኹም ምእንቲ ኺሕደስ፡* ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም። ድሕሪኡ፡ ትኸዱ።” ንሳቶም ድማ፡ “ሕራይ። ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ። 6 ኣብርሃም ከኣ ቀልጢፉ ናብ ድንኳን ናብ ሳራ ኸይዱ፡ “ቀልጥፊ! ሰለስተ ስፍሪ* ድኹም ሓርጭ ለዊስኪ፡ ቅጫታት ሰንክቲ” በላ። 7 ድሕርዚ፡ ኣብርሃም ናብ ከብቱ ጐይዩ፡ ልምሉም ጽቡቕ ምራኽ ሓረየ። ንጊልያኡ ድማ ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ ኬዳልዎ ተቐላጠፈ። 8 ጠስምን ጸባን ነቲ ዘዳለዎ ምራኽን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም። ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው በለ።+ 9 ንሳቶም ድማ፡ “ሰበይትኻ ሳራ+ ኣበይ ኣላ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ድንኳን እንሃ” ኢሉ መለሰ። 10 ሽዑ፡ ሓደ ኻባታቶም፡ “ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ብርግጽ ክምለሰካ እየ፣ ሰበይትኻ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በለ።+ ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪ እቲ ሰብኣይ ዘሎ ድንኳን ኰይና ትሰምዕ ነበረት። 11 ኣብርሃምን ሳራን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረገውቲ ነበሩ።+ ሳራ ድማ ካብ እትወልደሉ ዕድመ ሓሊፋ ነበረት።*+ 12 ስለዚ፡ ሳራ ብልባ እናሰሓቐት፡ “ድሕሪ እርጋነይን ጐይታይ ምስ ኣረገንዶ እዚ ባህታ እዚ ኽረክብ እየ፧” በለት።+ 13 የሆዋ ኸኣ ንኣብርሃም፡ “ስለምንታይ እያ ሳራ፡ ‘ኣሪገ ኸለኹስ፡ ብሓቂዶ ኽወልድ እየ፧’ ኢላ ዝሰሓቐት፧ 14 ንየሆዋዶ ዚሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ፧+ ንዓመታ ኸምዚ ምዱብ ግዜ እዚ ኽምለሰካ እየ፣ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በሎ። 15 ሳራ ግና ፈሪሃ ነበረት እሞ፡ “ኣይሰሓቕኩን!” ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ” በለ። 16 እቶም ሰብኡት ኪኸዱ ምስ ተንስኡ፡ ናብ ሶዶም ገጾም ኣንቈልቊሎም ጠመቱ፣+ ኣብርሃም ከኣ ኬፋንዎም ምሳታቶም ይኸይድ ነበረ። 17 የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “እቲ ዝገብሮስ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧+ 18 ኣብርሃምሲ ብርግጽ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ድማ ብእኡ ኺባረኹ* እዮም።+ 19 ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ዝኣተዎ ቓል ኬምጽኦስ፡ ንሱ ንደቁን ብድሕሪኡ ንቤተ ሰቡን፡ ጽድቅን ፍትሕን ብምግባር መገዲ የሆዋ ኺሕልዉ ምእንቲ ኺእዝዞም ኢለ እየ ፈሊጠዮ።”+ 20 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ብሰንኪ ሶዶምን ጎሞራን ዚእወ ኣውያት ኣመና በርቲዑ፡+ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ ኸቢዱ እዩ።+ 21 ስለዚ፡ ከምቲ ናባይ ዝበጽሐ ኣውያት ይገብሩ እንተ ኣልዮም ክርኢ ኽወርድ እየ። እንተ ዘይኰይኑ ኸኣ፡ ክፈልጥ እየ” በለ።+ 22 ሽዑ፡ እቶም ሰብኡት ካብኡ ሓሊፎም ናብ ሶዶም ገጾም ከዱ፣ የሆዋ+ ግና ምስ ኣብርሃም ተረፈ። 23 ኣብርሃም ድማ ቀሪቡ፡ “ንጻድቕከ ምስ እኩይዶ ኽትኵስትሮ ኢኻ፧+ 24 ምናልባት ኣብታ ኸተማ 50 ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ፣ እሞኸ ኽትኵስትሮም ዲኻ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ 50 ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧ 25 መወዳእታ እቲ ጻድቕ ከምቲ እኩይ ኪኸውን፡ ንጻድቕ ምስ እኩይ ብምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ክትገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ!+ እዝስ ኣባኻ ዘይሕሰብ እዩ።+ እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧”+ በለ። 26 የሆዋ ኸኣ፡ “ኣብ ሶዶም፡ ኣብታ ኸተማ 50 ጻድቃን እንተ ረኺበ፡ ምእንታኦም ኢለ ንብዘላ እታ ቦታ ኽንሕፋ እየ” በለ። 27 ኣብርሃም ድማ መሊሱ፡ “በጃኻ ስምዓኒ፡ እንሆ ኣነ ሓመድን ሓምዅሽትን ክነሰይ፡ ምስ የሆዋ ኽዛረብ ደፊረ። 28 ምናልባት ካብቶም 50 ጻድቃን ሓሙሽተ ይጐድሉ ይዀኑ። ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብዘላ እታ ኸተማ ኸተጥፍኣ ኢኻ፧” በለ። ንሱ ኸኣ፡ “45 እንተ ረኺበላ፡ ኣይከጥፍኣን እየ” በለ።+ 29 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ምናልባት 40 ይርከብዋ ይዀኑ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም 40 ኢለ ኣይክገብሮን እየ” ኢሉ መለሰ። 30 ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ ብምዝራበይ ኣይትቈጣዕ፦+ ምናልባት 30 ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “30 እንተ ረኺበላስ፡ ኣይክገብሮን እየ” ኢሉ መለሰሉ። 31 ንሱ ኸኣ፡ “በጃኻ ስምዓኒ፡ እንሆ ምስ የሆዋ ኽዛረብ ደፊረ፦ ምናልባት 20 ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም 20 ኢለ ኣይከጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰ። 32 ኣብ መወዳእታ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትቈጣዕ፦ ምናልባት ዓሰርተ ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኢለ ኣይከጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰ። 33 የሆዋ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ከደ፡+ ኣብርሃም እውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ። 23 ሳራ ድማ 127 ዓመት ነበረት፣ እዚ ዕድመ ሳራ እዩ።+ 2 ሳራ ኸኣ ኣብ ቂርያት-ኣርባዕ፡+ ንሳ ኬብሮን፡+ ኣብ ምድሪ ከነኣን+ ሞተት፣ ኣብርሃም ድማ ንሳራ ሓዘነላን በኸየላን። 3 ድሕሪኡ፡ ኣብርሃም ካብ ቅድሚ እታ ምዉትቱ ተንስአ፣ ንደቂ ሔት+ ድማ፡ 4 “ኣነ ኣብ መንጎኹም ጓናን ሰፋርን እየ።+ ነዛ ምዉትተይ ክቐብርሲ፡ ርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ሃቡኒ” በሎም። 5 ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም፡ 6 “ጐይታይ፡ ስምዓና። ንስኻ ኣብ መንጎና ሹም ኣምላኽ* ኢኻ።+ ካብ መቓብራትና ኣብቲ ምሩጽ ዝበልካዮ ምዉትትኻ ቕበር። ካባና ሓደ እኳ ምዉትትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዚኸልኣካ የልቦን” ኢሎም መለሱሉ። 7 ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ፡ ንደቂ እታ ዓዲ፡ ንደቂ ሔት፡+ ሰገደሎም፣ 8 “ንምዉትተይ ክቐብር እንተ ተሰማሚዕኩም፡* ስምዑኒ፣ ንዔፍሮን ወዲ ጾሓር ከኣ፡ 9 እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኺሸጠለይ ለምኑለይ። ርስቲ መቓብር ምእንቲ ኺህልወንስ፡+ ኣብ ቅድሜኹም ብምሉእ ዋጋ ይሽጠለይ”+ ድማ በሎም። 10 ዔፍሮን ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ድማ፡ ደቂ ሔት እናሰምዑ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዚኣትዉ ዅሎም፡+ ንኣብርሃም፡ 11 “ኣይፋልካን ጐይታይ። ስምዓኒ ደኣ። እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን እህበካ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚ ደቂ ህዝበይ እህበካ ኣለኹ። ምዉትትኻ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ። 12 ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ እታ ዓዲ ሰገደ፣ 13 ንዔፍሮን ድማ እቶም ደቂ እታ ዓዲ እናሰምዑ፡ “ስምዓኒ ደኣ። ነታ ግራት ምሉእ ዋጋ ብብሩር ክህበካ እየ። ምዉትተይ ክቐብርሲ፡ ካባይ ውሰዶ” ኢሉ ተዛረቦ። 14 ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡ 15 “ጐይታይ፡ ስምዓኒ ደኣ። እዛ ግራት እዚኣ 400 ሲቃል* ብሩር እዩ ዋግኣ፣ እዚ ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እዩ፧ ምዉትትኻ ደኣ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ። 16 ኣብርሃም ከኣ ንዔፍሮን ሰምዖ፣ ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን፡ ነቲ ደቂ ሔት እናሰምዑ እተዛረቦ ዋጋ ብሩር፡ ከምቲ ብነጋዶ ቕቡል ዝዀነ ሚዛን 400 ሲቃል* ብሩር መዘነሉ።+ 17 በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን፡—እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ኣብ ውሽጢ ደረታ ዝነበረ ዅሉ ኣእዋምን፡— 18 ኣብ ቅድሚ ደቂ ሔት፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዚኣትዉ ዅሎም፡ ኣብርሃም ዝዓደጋ ንብረት ኰነት። 19 ድሕርዚ፡ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኸኣ ኬብሮን፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ቀበራ። 20 በዚ ኸምዚ፡ እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዝነበረት በዓትን ካብ ደቂ ሔት ናብ ኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኰይና ተመሓላለፈት።+ 34 እታ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ፡+ ምስ ኣዋልድ እታ ምድሪ እቲኣ ግዜ ንምሕላፍ* ትወጽእ ነበረት።+ 2 ሴኬም ወዲ ሓሞር እቲ ሒዋዊ፡+ ሹም እታ ምድሪ እቲኣ፡ ምስ ረኣያ፡ ወሲድዋ ምስኣ ደቀሰ፡ ዓመጻ ድማ። 3 ንሱ ኸኣ ንዲና ጓል ያእቆብ ኣዝዩ ፈተዋ፣* ምስታ ጓል ድማ ፍቕሪ ሓዞ፡ ንልባ ብዜእምን እውን ተዛረባ። 4 ሴኬም ከኣ ንኣቦኡ ሓሞር፡+ “ነዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትኰነኒ ኣምጽኣለይ” በሎ። 5 ያእቆብ ድማ ንሱ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን፡ ደቁ ምስ መጓሰኡ ኣብ መሮር ነበሩ። ስለዚ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዚምለሱ፡ ስቕ በለ። 6 ጸኒሑ፡ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ምስ ያእቆብ ኪዛረብ ከደ። 7 ደቂ ያእቆብ ከኣ ብዛዕባኡ ሰሚዖም፡ ብኡብኡ ኻብ መሮር ተመልሱ። ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ፡ ኣብ እስራኤል ኪግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፡+ ጐሃዩን ኣዝዮም ተቘጥዑን።+ 8 ሓሞር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ወደይ ሴኬም ንጓልኩም ኣዝዩ ይምነያ እዩ።* በጃኹም ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃብዎ፣ 9 ምሳና ኸኣ ተዋሰቡ። ኣዋልድኩም ሃቡና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣዋልድና ውሰዱ።+ 10 ምሳና ድማ ክትቅመጡ ትኽእሉ ኢኹም፣ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ። ኣብኣ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ስፈርዋን።” 11 ሴኬም ከኣ ንኣቦኣን ንኣሕዋታን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሞገስ እርከብ እምበር፡ ዝበልኩምኒ ዘበለ ኽህብ እየ። 12 ኣዝዩ ብዙሕ ገዝምን ህያብን ክትእዝዙኒ ትኽእሉ ኢኹም።+ ዝበልኩምኒ ዘበለ ኽህብ ፍቓደኛ እየ። ሓንትስ ነታ ጓል ደኣ ሰበይቲ ኽትኰነኒ ሃቡኒ” በሎም። 13 ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሱ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘርከሳ፡ ንሴኬምን ንኣቦኡ ሓሞርን ብተንኰል ተዛረብዎም። 14 ከምዚ ድማ በልዎም፦ “ሓብትና ንዘይተገዝረ* ሰብኣይ ክንህብ፡ እዚ የነውረና እዩ እሞ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና።+ 15 ኵሉ ተባዕታይኩም ብምግዛር ከማና እንተ ዄንኩም፡ በዚ ጥራይ ኢና ሕራይ እንብለኩም።+ 16 ሽዑ፡ ኣዋልድና ንህበኩም፡ ንዓና ኸኣ ኣዋልድኩም ንወስድ፣ ምሳኻትኩም ድማ ንቕመጥ፡ ሓደ ህዝቢ እውን ንኸውን። 17 ክትግዘሩ እንተ ዘይሰሚዕኩምና ግና፡ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።” 18 ዘረባኦም ከኣ ንሓሞርን+ ንሴኬም ወዲ ሓሞርን+ ባህ ኣበሎም። 19 እቲ ጐበዝ ድማ ብጓል ያእቆብ ደስ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ዝበልዎ ንምግባር ኣይደንጐየን፣+ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ። 20 ሓሞርን ወዱ ሴኬምን ድማ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዶም፡ ንሰብ እታ ኸተማኦም ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፦+ 21 “እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ብሰላም ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ። እዛ ምድሪ እዚኣ ንዓታቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ይቀመጡን ይንገዱላን። ኣዋልዶም ንዓና ኣንስቲ ኪዀናና ኽንወስድ፡ ኣዋልድና እውን ንዓታቶም ክንህቦም ንኽእል ኢና።+ 22 እዞም ሰባት እዚኦም ግና ምሳና ኪቕመጡን ሓደ ህዝቢ ኪዀኑን ሕራይ ዚብሉና፡ በዚ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ፦ ከምቲ ንሳቶም ግዙራት ዝዀኑ፡ ኵሉ ተባዕታይና ይገዘር።+ 23 ሽዑ፡ ጥሪቶምን ሃብቶምን ማሎምን ናትና ደይኰነን ዚኸውን፧ ስለዚ፡ ምሳና ምእንቲ ኪቕመጡ፡ ንሕና እውን ሕራይ ንበሎም።” 24 ኵሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዝወጹ፡ ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ሰምዕዎም፣ እቶም ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝወጹ ዘበሉ ዅሎም ተባዕትዮ ድማ ተገዝሩ። 25 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኪቕንዘዉ ኸለዉ ግና፡ ክልተ ደቂ ያእቆብ፡ ስምኦንን ሌዊን፡ ኣሕዋት ዲና፡+ ሰሰይፎም ወሲዶም፡ ናብታ ኸተማ ብድንገት ከይዶም፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቐተሉ።+ 26 ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ድማ ብሰይፊ ቐቲሎም፡ ንዲና ኻብ ቤት ሴኬም ወሲዶምዋ ኸዱ። 27 ካልኦት ደቂ ያእቆብ ከኣ ናብቶም ቅቱላት መጺኦም፡ ንሓብቶም ስለ ዘርከስዋ፡+ ነታ ኸተማ ዘመትዋ። 28 ጤለ በጊዕን ከብትን ኣእዱግን ኣብታ ኸተማ ዀነ ኣብ መሮር ዝነበረ ዘበለን ወሰዱ። 29 ኵሉ ጥሪቶም ወሰዱ፡ ንዅሎም ቈልዑኦምን ኣንስቶምን ማረኹ፡ ኣብ ኣባይቲ እተረኽበ ዘበለ ዅሉ ድማ ዘመቱ። 30 ያእቆብ ከኣ ንስምኦንን ንሌዊን፡+ “ኣብ መንጎ እዞም ነበርቲ እዛ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን፡ ሕማቕ ጨና ስለ ዝገበርኩምኒ፡ ብዙሕ ጭንቂ ኣምጺእኩምለይ።* ኣነ ብቝጽሪ ሒደት እየ፣ ንሳቶም ከኣ ብርግጽ ተኣኪቦም ኬጥቅዑኒ እዮም፣ ኣነን ቤተይን ከኣ ክንጠፍእ ኢና” በሎም። 31 ንሳቶም ድማ፡ “ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኺግበር እዩ፧” በሉ። 19 ምስ መሰየ፡ እቶም ክልተ መላእኽቲ ናብ ሶዶም በጽሑ፣ ሎጥ ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ሶዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ኪቕበሎም ተንስአ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ኸኣ ሰገደ።+ 2 “ኣቱም ጐይተተይ፡ በጃኹም ናብ ቤት ጊልያኹም ኣላጊስኩም ሕደሩ፡ ኣእጋርኩም እውን ተሓጸቡ። ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱ” ድማ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባባይ ደኣ ኢና እንሓድር” በሉ። 3 ንሱ ግና ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ምስኡ ናብ ቤቱ ኸዱ። ንሱ ድማ ድግስ ደገሰሎም፡ ቅጫ ኸኣ ሰንከተ፡ ንሳቶም እውን በልዑ። 4 ቅድሚ ምድቃሶም ከኣ፡ ሰብኡት እታ ኸተማ፡ ሰብ ሶዶም፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፡ ኵላቶም ብሓደ ተኣኪቦም ነታ ቤት ከበብዋ። 5 ንሎጥ ድማ፡ “እቶም ሎሚ ለይቲ ናባኻ ዝመጹ ሰባት ኣበይ ኣለዉ፧ ምሳታቶም ጾታዊ ርክብ ክንገብርሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም” እናበሉ ጸውዕዎ።+ 6 ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍ ደገ ወጸ፣ ነቲ ማዕጾ እውን ብድሕሪኡ ዓጸዎ። 7 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ኣሕዋተየ፡ በጃኹም፡ እከይ ኣይትግበሩ። 8 በጃኹም፡ እነዋ፡ ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገበራ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ። በጃኹም፡ ንዓታተን ከውጽኣልኩም፡ ቅኑዕ ዚመስለኩም ግበርወን። ነዞም ሰብኡት እዚኦም ግና ኣብ ትሕቲ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፡ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም።”+ 9 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣልግስ!” በልዎ። ኣስዕብ ኣቢሎም ከኣ፡ “እዚ ኣብዚ ኺነብር ዝመጸ ሓደ በይኑ ጓናስ፡ ኪፈርደና ደፊሩ! ሕጂ ኻብ ንዓታቶም ዝኸፍአ ኽንገብረካ ኢና” በሉ። ንሎጥ ከኣ ዓጐጕዎ፡* ነቲ ማዕጾ ኺሰብርዎ ድማ ቀረቡ። 10 ሽዑ፡ እቶም ሰብኡት ኣእዳዎም ዘርጊሖም፡ ንሎጥ ናባታቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፡ ነቲ ማዕጾ ኸኣ ዓጸውዎ። 11 ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ዝነበሩ ሰባት ግና፡ ካብ ንኣሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ብዑረት ወቕዕዎም እሞ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ኺረኽቡ ይደኽሙ ነበሩ። 12 እቶም ሰብኡት ድማ ንሎጥ፡ “ኣብዚ ኻልእ ሰብዶ ኣሎካ፧ ሰብኡት ኣዋልድካን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ሰብካ ዘበለ ዅሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም። 13 ከመይሲ፡ ብሰንኮም ዚእወ ኣውያት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስለ ዝበርትዐ፡+ የሆዋ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸነጥፍኣ ልኢኹና እዩ እሞ፡ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸነጥፍኣ ኢና” በልዎ። 14 ሎጥ ከኣ ወጺኡ ነቶም ንኣዋልዱ ኺምርዓውወን ኢሎም ዝነበሩ ሰብኡት ኣዋልዱ፡ “የሆዋ ነዛ ኸተማ እዚኣ ስለ ዜጥፍኣ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ!” ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ግና፡ ዚዋዘ ዘሎ መሰሎም።+ 15 ኪወግሕ ከሎ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ፡ “ብስሕተት እዛ ኸተማ እዚኣ ኸይትጠፍእሲ፡ ተንስእ፡ ሰበይትኻን ኣብዚ ምሳኻ ዘለዋ ኽልተ ኣዋልድካን ውሰድ!” ኢሎም ሃወኽዎ።+ 16 ንሱ ምስ ደንጐየ ኸኣ፡ የሆዋ ስለ ዝራሕርሓሉ፡+ እቶም ሰብኡት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ እውን ሓደግዎ።+ 17 ናብ ወሰን ምስ ኣውጽእዎም ከኣ፡ “ምእንቲ ህይወትካ* ኣምልጥ! ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡+ ኣብ ኵሉ እዚ ኸባቢ ድማ ደው ኣይትበል!+ ከይትጠፍእሲ፡ ናብ ኣኽራን ኣቢልካ ኣምልጥ” በለ። 18 ሎጥ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ፡ በጃኻ ኣብኡስ ኣይኹን! 19 ሕጂ ጊልያኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ረኺቡ ኣሎ፣ ንዓይ* ብምድሓን ከኣ ዓብዪ ለውሃት ጌርካለይ ኢኻ፣*+ መዓት ከየርክበኒ እሞ ኸይመውት ስለ ዝፈራህኩ ግና፡ በጃኻ፡ ናብ ኣኽራን ክሃድም ኣይክእልን እየ።+ 20 ሕጂ ድማ በጃኻ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ቐረባ እያ፡ ናብኣ ኽሃድም እውን እኽእል እየ፣ ንእሽቶ ኸኣ እያ። በጃኻ ናብኣዶ ኸምልጥ፧ ንእሽቶ እያ። ሽዑ ድማ እድሕን።”* 21 ንሱ ድማ፡ “ሕራይ፡ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ብዘይምግልባጥ+ እውን ክሓልየልካ እየ።+ 22 ኣብኣ ኸይበጻሕካ፡ ገለ ነገር ክገብር ስለ ዘይክእል፡ ቀልጢፍካ ናብኣ ኣምልጥ!” በሎ።+ ስለዚ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ጾዓር* ኢሉ ሰመያ።+ 23 ሎጥ ናብ ጾዓር ምስ በጽሐ፡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ጸሓይ በረቐት። 24 ሽዑ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ዲንን ሓውን ኣዝነመ፣ ካብ የሆዋ፡ ካብ ሰማያት ድማ መጸ።+ 25 ነዘን ከተማታት እዚአን፡ እወ፡ ንብዘሎ እቲ ኸባቢ፡ እንተላይ ንዅሎም ነበርቲ እተን ከተማታትን ንኣትክልቲ ምድርን ገልበጠ።+ 26 ብድሕሪኡ ዝነበረት ሰበይቲ ሎጥ ግና፡ ንድሕሪት ግልጽ በለት፣ ሓወልቲ ጨው ከኣ ኰነት።+ 27 ኣብርሃም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ናብታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኸደ።+ 28 ናብ ሶዶምን ጎሞራን ናብ ኵሉ ምድሪ እቲ ኸባብን ኣንቈልቊሉ ምስ ጠመተ፡ ጉድ ረኣየ። ካብታ ምድሪ ድማ ዒግ ዝበለ ትኪ እቶን ዚመስል ዒግታ ትኪ ኺልዓል ረኣየ።+ 29 ስለዚ፡ ኣምላኽ ነተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ኸተማታት ኬጥፍአን ከሎ፡ ካብተን ንሱ ዝገልበጠን፡ ሎጥ ከኣ ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ንሎጥ ብምውጻእ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘከሮ።+ 30 ጸኒሑ ሎጥ ኣብ ጾዓር ምቕማጥ ስለ ዝፈርሀ፡+ ምስ ክልቲአን ኣዋልዱ ኻብ ጾዓር ደዪቡ ኣብ ኣኽራን ተቐመጠ።+ ምስ ክልቲአን ኣዋልዱ ድማ ኣብ በዓቲ ተቐመጠ። 31 እታ በዅሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶ፡ “ኣቦና ኣሪጉ እዩ፣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ከም ልምዲ ዅላ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን። 32 ንዒ፡ ንኣቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ምስኡ ንደቅስ፡ ካብ ኣቦና እውን ዘርኢ ነትርፍ” በለታ። 33 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ንኣቦአን ወይኒ ብብዝሒ ኣስተያኦ፣ ሽዑ፡ እታ በዅሪ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት፣ ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። 34 ንጽብሒቱ ድማ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶ፡ “እንሆ፡ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ። ሎሚ ለይቲ እውን ወይኒ ነስትዮ። ሽዑ፡ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ፡ ካብ ኣቦና ኸኣ ዘርኢ ነትርፍ” በለታ። 35 በታ ለይቲ እቲኣ እውን ንኣቦአን ወይኒ ብብዝሒ ኣስተያኦ፣ ሽዑ፡ እታ ንእሽቶ ኸይዳ ምስኡ ደቀሰት፣ ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። 36 ክልቲአን ኣዋልድ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦአን ጠነሳ። 37 እታ በዅሪ ድማ ወዲ ወለደት እሞ፡ ሞኣብ ኢላ ሰመየቶ።+ ንሱ ኣቦ እቶም ሎሚ ሞኣባውያን ዚብሃሉ እዩ።+ 38 እታ ንእሽቶ እውን ወዲ ወለደት እሞ፡ ቤን-ዓሚ ኢላ ሰመየቶ። ንሱ ኣቦ እቶም ሎሚ ዓሞናውያን+ ዚብሃሉ እዩ። 20 ኣብርሃም ድማ ሰፈሩ ኻብኡ+ ናብ ምድሪ ነጌብ ኣግዓዘ፣ ኣብ መንጎ ቃዴስን+ ሹርን+ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ጌራር+ ተቐሚጡ* ኸሎ ኸኣ፡ 2 ኣብርሃም ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራ መሊሱ፡ “ሓብተይ እያ” በለ።+ ኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራር ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ።+ 3 ኣምላኽ ድማ ናብ ኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ ሰበይቲ፡ ብዓልቲ ሰብኣይ ስለ ዝዀነት፡+ እንሆ፡ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።+ 4 ኣቢሜሌክ ግና ኣይቀረባን ነበረ።* ስለዚ፡ “የሆዋ፡ ንንጹህ* ህዝቢ እውንዶ ትቐትል ኢኻ፧ 5 ንሱ ባዕሉ ደይኰነን፡ ‘ንሳ ሓብተይ እያ’ ዝበለኒ፧ ንሳኸ ባዕላ ደይኰነትን፡ ‘ንሱ ሓወይ እዩ’ ዝበለትኒ፧ ብቕኑዕ ልበይን ብንጹህ ኢደይን እየ እዚ ዝገበርኩ” በለ። 6 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ “ኣነ እውን እዚ ብቕኑዕ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ እፈልጥ እየ፣ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ድማ ከልከልኩኻ። ስለዚ፡ ክትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን። 7 ሕጂ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ፣ ንሱስ ነብዪ እዩ፡+ ኪምህለለልካ ኸኣ እዩ፡+ ንስኻ ድማ ብህይወት ትነብር። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ዅሉን ብርግጽ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ። 8 ኣቢሜሌክ ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ንዅሎም ገላዉኡ ጸዊዑ ኸኣ ንዅሉ እዚ ነገር እዚ ነገሮም፡ ንሳቶም እውን ኣዝዮም ፈርሁ። 9 ሽዑ፡ ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካና፧ እንታይ በዲለካ እየ፡ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ከተምጽኣልና ዝበልካ፧ ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ጌርካኒ” በሎ። 10 ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም፡ “እንታይ ሓሲብካ ኢኻ እዚ ነገር እዚ ዝገበርካ፧” በሎ።+ 11 ኣብርሃም ከኣ ከምዚ በለ፦ “‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን፡ ብሰሪ ሰበይተይ ድማ ኪቐትሉኒ እዮም’ ኢለ እየ።+ 12 ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፣ ሰበይተይ ከኣ ኰነት።+ 13 ስለዚ፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ኬውጽኣኒ ኸሎ፡+ ‘ንዓይ ብተኣማንነት እተፍቅርኒ በዚ እዩ፦ ኣብ ኵሉ እንኸዶ ዘበለ፡ “ንሱ ሓወይ እዩ” በሊ’ በልክዋ።”+ 14 ኣቢሜሌክ ከኣ ኣባጊዕን ከብትን ገላዉን ኣግራድን ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ፣ ሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ። 15 ኣቢሜሌክ ከኣ፡ “እንሆ፡ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ቃሕ ኣብ ዝበለካ ተቐመጥ” በለ። "16 ንሳራ ድማ፡ “እንሆ፡ ንሓውኪ 1,000 ብሩር ሂበዮ ኣለኹ።+ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዅሉን ምልክት ንጽህናኺ እዩ፣* ንስኺ እውን ካብ ወቐሳ ናጻ ዄንኪ ኢኺ” በላ።" 17 ኣብርሃም ከኣ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተማህለለ፣ ኣምላኽ ድማ ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ንደቂ ኣንስትዮ ባሮቱን ኣሕወዮም፡ ኪወልዱ እውን ጀመሩ። 18 ከመይሲ፡ የሆዋ ብሰሪ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ንዅለን ኣንስቲ ቤት ኣቢሜሌክ ኣምኪንወን ነበረ።*+ 3 የሆዋ ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ እንስሳ መሮር፡ ተመን+ ኣዝዩ ጥንቁቕ* ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ኣምላኽሲ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት* ኣይትብልዑ’ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧” በላ።+ 2 እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን፡ “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኣእዋም ንበልዕ ኢና።+ 3 ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና፡+ ኣምላኽ፡ ‘ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋ እውን’ ኢሉ” በለቶ። 4 እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም።+ 5 ኣምላኽ በታ ኻብኣ እትበልዑላ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ።+ 6 እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ንምብልዓ ጥዕምቲ፡ ንኣዒንቲ ኸኣ ደስ እተብል፡ እወ፡ እታ ኦም ንምጥማታ ባህ እተብል ምዃና ረኣየት። ካብ ፍሪኣ ወሲዳ ድማ በልዐት።+ ድሕሪኡ፡ ሰብኣያ ምስኣ ምስ ኰነ እውን፡ ንዕኡ ሃበቶ፣ ንሱ ኸኣ በልዐ።+ 7 ሽዑ፡ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ፡ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ኣቝጽልቲ በለስ ሰፍዮም ከኣ ተዓጥቁ።+ 8 መዓልቲ ምስ ወልወለ ድማ፡ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑ፣ እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣእዋም ገነት ተሓብኡ። 9 የሆዋ ኣምላኽ ድማ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኣበይ ኣለኻ፧” እናበለ ደጋጊሙ ጸውዖ። 10 ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንሱ፡ “ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዐ፣ ጥራየይ ስለ ዝዀንኩ ግና ፈሪሀ ተሓቢአ” በለ። 11 ንሱ ድማ፡ “ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነጊሩካ፧+ ካብታ ኻብኣ ኸይትበልዕ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧”+ በሎ። 12 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “እታ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሂባትኒ በሊዐ” በለ። 13 የሆዋ ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “እዚ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ፧” በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ተመን ስለ ዘታለለኒ እየ በሊዐ” በለት።+ 14 የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ተመን፡+ “እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳ ዘቤትን ካብ ኵሉ እንስሳ መሮርን ርጉም ኢኻ። ብኸብድኻ ኽትከይድ፡ ኣብ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ። 15 ኣብ መንጎኻን+ ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡+ ኣብ መንጎ ዘርእኻን+ ኣብ መንጎ ዘርኣን+ ጽልኢ እተክል ኣለኹ።+ ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣+ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ”+ በሎ። 16 ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጻዕሪ ጥንስኺ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፣ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፣ ንሰብኣይኪ ሃረር ክትብልዮ ኢኺ፡ ንሱ እውን ኪመልከኪ እዩ” በላ። 17 ንኣዳም* ከኣ፡ “ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ፡ ካብታ፡ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ድማ ስለ ዝበላዕካ፡+ ብሰርኻ ምድሪ ርግምቲ ትኹን።+ ኵሉ መዓልትታት ህይወትካ፡ ካብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።+ 18 እሾዅን ተዀርባን ከተብቍለልካ እያ፣ ኣትክልቲ መሮር ድማ ክትበልዕ ኢኻ። 19 ካብኣ ኢኻ ተፈጢርካ እሞ፡+ ናብ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ”+ በሎ። 20 ድሕርዚ፡ ኣዳም ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ስለ እትኸውን፡ ሄዋን* ኢሉ ሰመያ።+ 21 የሆዋ ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ኪኸድኖም ኢሉ ኻብ ቈርበት ነዊሕ ክዳን ገበረሎም።+ 22 የሆዋ ኣምላኽ ከኣ፡ “እንሆ፡ ሰብ ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ ኣሎ።+ ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት+ ወሲዱ ድማ ከይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር፡—” ኢሉ፡ 23 ስለዚ፡ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ+ ምእንቲ ኪዅስኵሳ፡ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን+ ኣውጽኦ። 24 ንሰብ ከኣ ሰጐጎ፣ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መገዲ ንምሕላው ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤደን ኪሩቤልን+ ብልሓ ሃልሃል ዚብል እትሽክርከር ሰይፍን ኣቐመጠ። 24 ኣብርሃም ከኣ ብዕድመ ደፊኡን ኣሪጉን ነበረ፣ የሆዋ ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ።+ 2 ኣብርሃም ከኣ ነቲ ንዅሉ ዜመሓድር ዝነበረ ኣብ ቤተ ሰቡ ብዕድመ ዝዓበየ ጊልያኡ፡+ “በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፣ 3 ንወደይ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ መንጎኦም ዝቕመጥ ዘለኹ ከነኣናውያን ሰበይቲ ኸይተምጽኣሉ ብየሆዋ ኣምላኽ ሰማያትን ኣምላኽ ምድርን አምሕለካ ኣለኹ።+ 4 ናብ ሃገረይን ናብ ኣዝማደይን+ ደኣ ኼድካ፡ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ” በሎ። 5 እቲ ጊልያ ግና፡ “እታ ሰበይቲ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ምሳይ ክትመጽእ እንተ ዘይፈተወትከ፧ ሽዑ፡ ንወድኻ ናብታ ዝመጻእካላ ምድሪዶ ኽመልሶ፧” በሎ።+ 6 ኣብርሃም ድማ፡ “ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ።+ 7 እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብ ምድሪ ኣዝማደይን ዘውጽኣኒ፡+ ‘እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ+ ኽህቦ እየ’+ ኢሉ ኸኣ እተዛረበንን ዝመሓለለይን+ የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ ንሱ መልኣኹ ቕድሜኻ ኺልእኽ እዩ፡+ ካብኡ ኸኣ ንወደይ ሰበይቲ ብርግጽ ከተምጽኣሉ ኢኻ።+ 8 እታ ሰበይቲ ምሳኻ ኽትመጽእ እንተ ዘይፈትያ ግና፡ ንስኻ ኻብዚ ማሕላ ንጹህ ትኸውን። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኣ ኣይትምለሶ” በሎ። 9 እቲ ጊልያ ኸኣ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እውን መሓለሉ።+ 10 እቲ ጊልያ ድማ ካብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ኣግማል ወሲዱ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ጽቡቕ ዘበለ ንብረት ጐይታኡ ተማሊኡ ተበገሰ። ናብ መሶጶታምያ፡ ናብ ከተማ ናሆር ድማ ከደ። 11 ኣጋ ምሸት፡ በታ ደቂ ኣንስትዮ ማይ ኪቐድሓ ዚወጻላ ግዜ ኸኣ፡ ነተን ኣግማል ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ኣብ ጥቓ ዒላ ማይ ኣብረኸን። 12 ከምዚ ድማ በለ፦ “ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ መዓልቲ ዀታ ኣስልጠለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ። 13 እንሆ፡ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፣ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይመጻ ኣለዋ። 14 ይኹን ከኣ፡ ‘ክሰትስ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ’ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ‘ስተ፡ ንኣግማልካ እውን ከስትየን እየ’ እትብለኒ፡ ንሳ ንጊልያኻ ይስሃቅ ዝሓረኻያ ትኹን፣ ንጐይታይ ብተኣማንነት ከም ዘፍቀርካዮ ድማ በዚ ኣፍልጠኒ።” 15 ገና ዘረባኡ ኸይወድአ ኸሎ፡ ርብቃ ጓል ቤቱኤል+ ወዲ ሚልካ፡+ ሰበይቲ ናሆር+ ሓው ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኵባ ጾይራ መጸት። 16 እታ ጓል ድማ ኣዝያ መልክዐኛ፡ ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይራ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት። ናብታ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት። 17 እቲ ጊልያ ኸኣ ጐይዩ ናብኣ ኸይዱ፡ “በጃኺ ኻብ ዕትሮኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” በላ። 18 ንሳ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ስተ” ኢላ፡ ቀልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ። 19 ምስ ኣስተየቶ ድማ፡ “ንኣግማልካ እውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ” በለቶ። 20 ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ፡ ማይ ክትቀድሕ መመሊሳ ናብታ ዒላ ጐየየት፣ ንዅለን ኣግማሉ እውን ቀድሓትለን። 21 እቲ ሰብኣይ ድማ፡ የሆዋ መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ዀይኑ ወይስ እንተ ዘይኰይኑ ኺፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ብምግራም ኣተኲሩ ይጥምታ ነበረ። 22 እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ፡ እቲ ሰብኣይ ፍርቂ ሲቃል* ዚምዘን ናይ ኣፍንጫ ቐለቤት ወርቅን ዓሰርተ ሲቃል* ዚምዘን ክልተ ኣምባርን ንኣእዳዋ ኣውጽአ፣ 23 “በጃኺ ንገርኒ፡ ጓል መን ኢኺ፧ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ቦታዶ ኣሎ፧” ድማ በላ። 24 ንሳ ኸኣ፡ “ኣነ ጓል ቤቱኤል፡+ ወዲ ሚልካ ንናሆር ዝወለደትሉ፡+ እየ” በለቶ። 25 መሊሳ ኸኣ፡ “ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፡ ንመሕደሪ ዚኸውን ከኣ ቦታ ኣሎና” በለቶ። 26 እቲ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍግም ኢሉ ሰጊዱ፡ 27 “እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ የሆዋ፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ይወደስ። የሆዋ ናብ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መሪሑኒ” በለ። 28 እታ ጓል ከኣ እዚ ነገር እዚ ኽትነግር ናብ ቤት ኣዲኣ ጐየየት። 29 ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ።+ ላባን ከኣ ናብቲ ኣብ ግዳም ጥቓ እታ ዓይኒ ማይ ዝነበረ ሰብኣይ ጐየየ። 30 ነቲ ቐለቤት ኣፍንጫን ነቲ ኣምባርን ኣብ ኣእዳው ሓብቱ ምስ ረኣየ፡ ዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉኒ” ኽትብል ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ሰብኣይ ኪረኽቦ መጸ፣ ንሱ እውን ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ እታ ዓይኒ ማይ ደው ኢሉ ነበረ። 31 ብኡብኡ፡ “ኣታ ብየሆዋ እተባረኽካ፡ ንዓ። ስለምንታይ ኣብ ግዳም ደው እትብል፧ ቤት ኣዳልየልካ ኣለኹ፣ ንኣግማልካ ኸኣ ቦታ ኣሎ” በሎ። 32 ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ፣ ንሱ* ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈን፡ ሓሰርን ድርቋን ሃበን፣ ንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ ማይ ሃቦም። 33 ዚብላዕ ኣብ ቅድሚኡ ምስ ተቐረበ ግና፡ “ጕዳየይ ከይነገርኩስ ኣይበልዕን” በለ። ላባን ከኣ፡ “ተዛረብ” በሎ። 34 ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኣነ ጊልያ ኣብርሃም እየ።+ 35 የሆዋ ኸኣ ንጐይታይ ኣባጊዕን ከብትን ብሩርን ወርቅን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ብምሃብ፡ ኣብዚሑ ባሪኽዎን ኣዝዩ ኣሀብቲምዎን ኣሎ።+ 36 ሳራ ሰበይቲ ጐይታይ እውን ምስ ኣረገት ንጐይታይ ወዲ ወሊዳትሉ ኣላ፣+ ንሱ ኸኣ ንዕኡ ዘለዎ ዅሉ ኺህቦ እዩ።+ 37 ጐይታይ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ፦ ‘ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝቕመጥ ዘለኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተምጽኣሉ።+ 38 ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን+ ደኣ ኼድካ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።’+ 39 ኣነ ግና ንጐይታይ፡ ‘እታ ሰበይቲ ምሳይ ክትመጽእ እንተ ዘይፈተወትከ፧’ በልክዎ።+ 40 ንሱ ድማ፡ ‘እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝመላለስ የሆዋ+ መልኣኹ ምሳኻ ልኢኹ፡+ መገድኻ ብርግጽ ኬቕንዓልካ እዩ፣ ንወደይ ከኣ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።+ 41 ናብ ዓሌተይ ምስ ከድካ እሞ እንተ ዘይሂቦምኻ፡ ሽዑ ኻብቲ ዝመሓልካለይ ማሕላ ንጹህ ትኸውን። እዚ ድማ ካብቲ ዝመሓልካለይ ማሕላ ንጹህ ኪገብረካ እዩ’ በለኒ።+ 42 “ሎሚ ናብታ ዓይኒ ማይ ምስ በጻሕኩ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ዝኸዳ ዘለኹ መገዲ ተቕንዓለይ እንተ ዄንካስ፡ 43 እንሆ፡ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ። ማይ ክትቀድሕ ንእትመጽእ ጓል፡+ “በጃኺ ኻብ ዕትሮኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” ምስ በልክዋ፡ 44 “ስተ፡ ንኣግማልካ እውን ክቐድሓለን እየ” ምስ እትብለኒ፡ ንሳ እታ የሆዋ ንወዲ ጐይታይ ዝሓረያ ሰበይቲ ትኹን’ በልኩ።+ 45 “ብልበይ ተዛሪበ ኸይወዳእኩ፡ ርብቃ ዕትሮኣ ኣብ መንኵባ ጾይራ መጸት፣ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ማይ ቀድሐት። ኣነ ኸኣ፡ ‘በጃኺ፡ ኣስትይኒ’ በልክዋ።+ 46 ንሳ ድማ ቀልጢፋ ዕትሮኣ ኻብ መንኵባ ኣውሪዳ፡ ‘ስተ፡+ ንኣግማልካ እውን ከስትየን እየ’ በለትኒ። ኣነ ኸኣ ሰተኹ፡ ነተን ኣግማል እውን ኣስተየተን። 47 ድሕሪኡ፡ ‘ጓል መን ኢኺ፧’ ኢለ ሓተትክዋ። ንሳ ድማ፡ ‘ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆር፡ ሚልካ ዝወለደትሉ፡ እየ’ ኢላ መለሰትለይ። ስለዚ፡ ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኣ፡ ኣምባር ከኣ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ።+ 48 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍግም ኢለ ድማ ሰገድኩ፡ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ብቕንዕቲ መገዲ ንዝመርሓኒ የሆዋ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ድማ ወደስክዎ።+ 49 ሕጂ ኸኣ፡ ንጐይታይ ብተኣማንነት እተፍቅርዎን ተኣማንነት እተርእይዎን እንተ ዄንኩም፡ ንገሩኒ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ናብ የማን ወይስ ናብ ጸጋም ከብል ንገሩኒ።”+ 50 ሽዑ፡ ላባንን ቤቱኤልን፡ “እዚ ነገር እዚ ኻብ የሆዋ እዩ። ክንፈቅድ ወይ ክንከልእ* ኣይንኽእልን ኢና። 51 እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ። ውሰዳ እሞ ኺድ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ኢሎም መለሱሉ። 52 እቲ ጊልያ ኣብርሃም ዘረባኦም ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ምድሪ ሰገደ። 53 እቲ ጊልያ ኸኣ ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሃባ፣ ንሓዋን ንኣዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሃቦም። 54 ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ በልዑን ሰተዩን፣ ኣብኡ ድማ ሓደሩ። ንግሆ ምስ ተንስአ ኸኣ፡ “ናብ ጐይታይ ኣሰናብቱኒ” በለ። 55 ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ “እዛ ጓል እንተ ወሓደ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒ። ድሕሪኡ፡ ትኺድ” በልዎ። 56 ንሱ ግና፡ “የሆዋ መገደይ ካብ ኣቕንዓለይሲ፡ ኣይተደናጕዩኒ” በሎም። 57 ንሳቶም ከኣ፡ “ነታ ጓል ጸዊዕና ንሕተታ” በሉ። 58 ንርብቃ ጸዊዖም ድማ፡ “ምስ እዚ ሰብኣይ እዚዶ ትኸዲ፧” በልዋ። ንሳ ኸኣ፡ “ሕራይ፡ እኸይድ” ኢላ መለሰት። 59 ሽዑ፡ ንሓብቶም ርብቃን+ ንመጕዚታን*+ ነቲ ጊልያ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም። 60 ንርብቃ ኸኣ፡ “ኣቲ ሓብትና፡ ኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒ፣ ዘርእኺ ድማ ኣፍ ደገ* ጸላእቱ ይረስተ” ኢሎም መረቕዋ።+ 61 ድሕሪኡ፡ ርብቃን ኣግራዳን ኣብ ኣግማል ተወጢሐን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። እቲ ጊልያ ኸኣ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ። 62 ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ነጌብ ይቕመጥ ነበረ እሞ፡+ ካብ መገዲ ብኤር-ለሓይ-ሮይ+ መጺኡ ነበረ። 63 ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ።+ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ኸኣ፡ ኣግማል ኪመጻ ረኣየ። 64 ርብቃ ድማ ኣዒንታ ምስ ኣልዓለት፡ ንይስሃቅ ረኣየቶ፡ ቀልጢፋ ኸኣ ካብ ገመል ወረደት። 65 ነቲ ጊልያ ድማ፡ “እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ፡ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧” ኢላ ሓተተቶ፣ እቲ ጊልያ ኸኣ፡ “ጐይታይ እዩ” በላ። ሽዑ፡ መጐልበቢ ወሲዳ ተጐልበበት። 66 እቲ ጊልያ ድማ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ነገር ንይስሃቅ ነገሮ። 67 ድሕሪኡ፡ ይስሃቅ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ።+ በዚ ኸምዚ፡ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ዀነት፡ ኣፍቀራ እውን፣+ ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተጸናንዐ።+ 32 ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደ፣ መላእኽቲ ኣምላኽ ከኣ ተጓነፍዎ። 2 ያእቆብ ርእይ ምስ ኣበሎም፡ “እዚ ሰፈር ሰራዊት ኣምላኽ እዩ” በለ። ስለዚ፡ እታ ቦታ እቲኣ ማሓናዪም* ተባህለት። 3 ሽዑ፡ ያእቆብ ናብ ሓዉ ኤሳው፡ ናብ ምድሪ ሰዒር፡+ ናብ ምድሪ* ኤዶም+ ቀቅድሚኡ ልኡኻት ለኣኸ፣ 4 ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ንጐይታይ ኤሳው ከምዚ በልዎ፦ ‘ጊልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል፦ “ምስ ላባን ክሳዕ ሕጂ ንነዊሕ ግዜ ተቐሚጠ* ነበርኩ።+ 5 ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ገላዉን ኣግራድን ከኣ ኣጥረኹ፣+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንጐይታይ ክነግር ለኣኽኩ።”’” 6 እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም፡ “ንኤሳው ሓውካ ረኺብናዮ፣ ንሱ ኸኣ ኪቀባበለካ ይመጽእ ኣሎ፣ ምስኡ እውን 400 ሰብኡት ኣለዉ” በልዎ።+ 7 ያእቆብ ከኣ ኣዝዩ ፈርሀ፡ ተጨነቐ እውን።+ ስለዚ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ጤለ በጊዕን ከብትን ኣግማልን ኣብ ክልተ ሰፈር መቐለ። 8 “ኤሳው ነዚ ሓደ ሰፈር እንተ ኣጥቂዕዎ፡ እቲ ኻልእ ሰፈር ኬምልጥ ይኽእል” ከኣ በለ። 9 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ከምዚ በለ፦ “ኦ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅን፡ ኣታ፡ ‘ናብ ምድርኻን ናብ ኣዝማድካን ተመለስ፡ ኣነ ድማ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ’ ዝበልካኒ የሆዋ፡+ 10 እዚ ንጊልያኻ ጌርካዮ ዘለኻ ዅሉ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ኵሉ ተኣማንነትን ዘይግብኣኒ እዩ።+ ከመይሲ፡ ነዛ ዮርዳኖስ እዚኣ በትረይ ጥራይ ሒዘ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ሰፈር ኰይነ ኣለኹ።+ 11 መጺኡ ኸየጥቅዓኒ፡+ ንኣዴታትን ንደቀንን ከኣ ከየጥቅዕ እፈርሆ ኣለኹ እሞ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ ኤሳው ኣናግፈኒ።+ 12 ‘ብርግጽ ጽቡቕ ክገብረልካ፡ ንዘርእኻ እውን ከምቲ ኻብ ብዝሑ እተላዕለ ዘይቍጸር ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ’ ድማ ኢልካ ኢኻ።”+ 13 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብኣ ሓደረ። ካብቲ ጥሪቱ ድማ፡ ንሓዉ ኤሳው ህያብ ወሰደ፦+ 14 200 ጤልን 20 ድቤላን፡ 200 በጊዕን 20 ድዑልን፡ 15 30 እተጥቡ ገመል መምስ ውላደን፡ 40 ላምን 10 ዝራብዕን፡ 20 ኣንስተይቲ ኣድግን 10 ተባዕታይ ኣድግን ሃቦ።+ 16 ነዚኣተን ከኣ በብመጋርያ ኸፋፊሉ ንገላዉኡ ሃቦም፣ ንገላዉኡ ድማ፡ “ቀቅድመይ ስገሩ፡ መጋርያ ኻብ መጋርያ ኸኣ ኣረሓሕቑ” በሎም። 17 ነቲ ቐዳማይ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ሓወይ ኤሳው እንተ ተጓኒፉካ እሞ፡ ‘ናይ መን ኢኻ፧ ናበይከ ትኸይድ ኣለኻ፧ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ ናይ መን እየን፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ 18 ‘ናይ ጊልያኻ ያእቆብ እየን። ንጐይታይ ኤሳው ዝሰደደን ህያብ እየን።+ እንሆ፡ ንሱ ብድሕሬና ኣሎ’ በሎ።” 19 ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን ንዅሎም እቶም መጓሰ ዚኽብክቡን እውን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ፡ ከምዚ ዘረባ እዚ ተዛረብዎ። 20 ‘እንሆ፡ ጊልያኻ ያእቆብ ብድሕሬና ኣሎ’ እውን በልዎ።” ከመይሲ፡ ‘ቀቅድመይ ህያብ ብምልኣኽ እንተ ኣዝሒለዮ፡+ ድሕሪኡ ምስ ረኣኽዎ ብጽቡቕ ይቕበለኒ ይኸውን’ ኢሉ ነበረ። 21 ስለዚ፡ እቲ ህያብ ቀቅድሚኡ ሰገረ፣ ንሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ። 22 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ተንሲኡ ኽልቲአን ኣንስቱን+ ክልቲአን ኣግራዱን+ 11 ደቁን ወሲዱ፡ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ።+ 23 ወሲዱ ኸኣ፡ ርባ ኣሳገሮም፣ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣሳገረ። 24 ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሽዑ፡ ሓደ ሰብኣይ ክሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ።+ 25 ኬሕምቖ ኸም ዘይክእል ምስ ረኣየ፡ መላግቦ ምሕኵልቱ ተንከዮ፣ ኪቃለሶ ኸሎ ኸኣ፡ መላግቦ ምሕኵልቲ ያእቆብ መለቘ።+ 26 ድሕርዚ፡ “ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ” በለ።+ 27 ሽዑ፡ ንሱ፡ “መን እዩ ስምካ፧” በሎ፣ ንሱ ድማ፡ “ያእቆብ” በለ። 28 ንሱ ኸኣ፡ “ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ፡+ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል* ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይብሃልን” በሎ።+ 29 ያእቆብ ድማ፡ “በጃኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ግና፡ “ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሓትት፧” በለ።+ ኣብኡ ኸኣ ባረኾ። 30 ያእቆብ ድማ፡ “ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ ኽነሰይሲ፡ ህይወተይ* ድሒና”+ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጰኒኤል* ኣውጽኣላ።+ 31 ንጰኑኤል* ምስ ሓለፈ፡ ጸሓይ በረቐቶ፣ ንሱ ግና ብምኽንያት ምሕኵልቱ ይሕንክስ ነበረ።+ 32 ነቲ ምስ ጅማት ሰለፍ ዘሎ መላግቦ ምሕኵልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ስለዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነቲ ኣብ መላግቦ ምሕኵልቲ ዚርከብ ጅማት ሰለፍ ኣይበልዑን እዮም። 7 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንኖህ ከምዚ በሎ፦ “ኣብዚ ወለዶ እዚ፡ ኣብ ቅድመይ ጸዲቕካ ረኺበካ እየ እሞ፡ ንስኻ ምስ ኵሎም ቤተ ሰብካ ናብ መርከብ እቶ።+ 2 ካብ ኵሉ ዓይነት ንጹህ እንስሳ ሸሸውዓተ፡*+ ተባዕታይን ኣንስተይትን፣ ካብ ኵሉ ዘይንጹህ እንስሳ ኸኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ምሳኻ ውሰድ፣ 3 ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኦም ምእንቲ ኺዕቀብ፡ ካብ በረርቲ ፍጡራት ሰማይ ሸሸውዓተ፡* ተባዕታይን ኣንስተይትን።+ 4 ከመይሲ፡ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ኣብ ምድሪ 40 መዓልትን 40 ለይትን+ ከዝንም እየ፣+ ነቲ ዝገበርክዎ ዅሉ ህያው ድማ ካብ ገጽ ምድሪ ኽድምስሶ እየ።”+ 5 ሽዑ፡ ኖህ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ። 6 ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ኺመጽእ ከሎ፡ ኖህ ወዲ 600 ዓመት ነበረ።+ 7 ኖህ ድማ ምስ ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ቅድሚ ማይ ኣይሂ ናብ መርከብ ኣተወ።+ 8 ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳን ካብ ኵሉ ዘይንጹህ እንስሳን ካብ በረርቲ ፍጡራትን ኣብ ምድሪ ኻብ ዚንቀሳቐስ ኵሉን፡+ 9 ከምቲ ኣምላኽ ንኖህ ዝኣዘዞ፡ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተዉ። 10 ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ፡ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ መጸ። 11 ኣብ መበል 600 ዓመት ዕድመ ኖህ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 17 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዅሉ ዓይኒ ማያት እቲ ሰፊሕ መዓሙቝ ማይ ተቐድደ፡ መሳዅቲ ሰማያት ከኣ ተኸፍተ።+ 12 40 መዓልትን 40 ለይትን ድማ ኣብ ምድሪ ዘነመ። 13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኖህን ደቁን፡ ማለት ሴምን ካምን ያፌትን፡+ ሰበይቱን ሰለስቲአን ኣንስቲ ደቁን ናብታ መርከብ ኣተዉ።+ 14 ምስ ኵሉ እንስሳ ዘገዳም በብዓይነቱን ምስ ኵሉ እንስሳ ዘቤት በብዓይነቱን ምስ ኵሉ ለማሚ ምድሪ በብዓይነቱን ምስ ኵሉ በራሪ ፍጡር በብዓይነቱን ምስ ኵሉ ዑፍን ክንፊ ምስ ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ኣተዉ። 15 ትንፋስ ህይወት* ካብ ዘለዎ ዅሉ ስጋ፡ ከክልተ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተዉ። 16 ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ድማ ካብ ኵሉ ዓይነት ስጋ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣተዉ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኡ ዓጸዎ። 17 ማይ ኣይሂ ድማ 40 መዓልቲ ኣብ ምድሪ ቐጸለ፣ እቲ ማያት ከኣ እናበዝሐ ኸደ እሞ ነታ መርከብ ኣልዓላ፡ ካብ ምድሪ ድማ ልዕል ኢላ ጸምበለል ትብል ነበረት። 18 እቲ ማያት እናበርትዐ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ እናበዝሐ ኸደ፣ እታ መርከብ ግና ኣብ ልዕሊ እቲ ማያት ጸምበለል ትብል ነበረት። 19 እቲ ማያት ድማ ኣብ ምድሪ ኣዝዩ እናበርትዐ ብምኻዱ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማያት ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ተጐልበበ።+ 20 እቲ ማያት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣኽራን ክሳብ 15 እመት* ንላዕሊ ኽብ በለ። 21 ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚንቀሳቐሱ ዅሎም ህያዋን ፍጡራት፡* በረርቲ ፍጡራትን እንስሳታት ዘቤትን እንስሳታት ዘገዳምን ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ፍጡራትን ኵሎም ሰባትን፡ ጠፍኡ።+ 22 ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህይወት* ዝነበሮ ዅሉ ሞተ።+ 23 ስለዚ፡ ንዅሉ ህያው፡ እንተላይ ሰብን እንስሳን ለማምን በራሪ ፍጡር ሰማይን፡ ካብ ገጽ ምድሪ ደምሰሰ። ኵላቶም ካብ ገጽ ምድሪ ተደምሰሱ፣+ ኖህን እቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩን ጥራይ ተረፉ።+ 24 እቲ ማያት ድማ ክሳዕ 150 መዓልቲ ኣብ ምድሪ በርትዐ።+ 48 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ንዮሴፍ፡ “እንሆ፡ ኣቦኻ ይደክም ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። ንሱ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቁ፡ ንምናሴን ንኤፍሬምን፡ ምስኡ ወሰዶም።+ 2 ንያእቆብ ድማ፡ “እንሆ ወድኻ ዮሴፍ ናባኻ መጺኡ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። እስራኤል ከኣ ተጋዲሉ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ። 3 ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ሉዝ ኣብ ምድሪ ከነኣን ተራእየኒ፡ ባረኸኒ ኸኣ።+ 4 ‘እንሆ፡ ከፍርየካን ከብዝሓካን ጭፍራ ህዝብታት ክገብረካን እየ፡+ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህቦ እየ’ በለኒ።+ 5 ሕጂ ኸኣ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ቕድሚ ምምጻአይ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም።+ ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪዀኑ እዮም።+ 6 ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉዳት ግና ናትካ ኪዀኑ እዮም። ኣብ ርስቶም ብስም ኣሕዋቶም ኪስመዩ እዮም።+ 7 ኣነ ድማ ካብ ጳዳን ክመጽእ ከለኹ፡ ናብ ኤፍራታ ንምብጻሕ ገለ ርሕቐት ምስ ተረፈኒ፡+ ራሄል ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ ጥቓይ ሞተት።+ ኣብ መገዲ ኤፍራታ፡ ንሳ ቤት-ልሄም፡+ ከኣ ቀበርክዋ።” 8 እስራኤል ድማ ንደቂ ዮሴፍ ረኣዮም እሞ፡ “እዚኣቶም እንታዎት እዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። 9 ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ፡ “እዚኣቶም ኣምላኽ ኣብዚ ዝሃበኒ ደቀይ እዮም” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ክምርቖምሲ፡ በጃኻ ናባይ ኣምጽኣዮም” በሎ።+ 10 ኣዒንቲ እስራኤል ከኣ ካብ እርጋን እተላዕለ ደኺመን ነበራ እሞ፡ ኪርኢ ኣይከኣለን። ዮሴፍ ድማ ናብኡ ኣቕረቦም፣ ንሱ ኸኣ ሰዓሞምን ሓቘፎምን። 11 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ “ገጽካ ኽርኢ ኣይሓሰብኩን ነይረ፣+ እንሆ ግና፡ ኣምላኽ ዘርእኻ እውን ኣርእዩኒ” በሎ። 12 ሽዑ፡ ዮሴፍ ካብ ኣብራኽ እስራኤል ኣልገሶም እሞ፡ ብገጹ ተደፊኡ ናብ ምድሪ ሰገደ። 13 ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ወሲዱ፡ ንኤፍሬም+ ብየማኑ ናብ ጸጋም እስራኤል፡ ንምናሴ+ ኸኣ ብጸጋሙ ናብ የማን እስራኤል ገይሩ ናብኡ ኣቕረቦም። 14 እስራኤል ግና የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነኣሰ ኤፍሬም፡ ጸጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። ምናሴ በዅሪ ብምንባሩ፡+ ኰነ ኢሉ ኣእዳዉ በዚ ኸምዚ ኣንበረ። 15 ሽዑ፡ ንዮሴፍ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦+ “እቲ ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣብ ቅድሚኡ እተመላለሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡+ እቲ ኣብ ኵሉ ህይወተይ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝጓሰየኒ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡+ 16 እቲ ኻብ ኵሉ መዓት ዘድሓነኒ* መልኣኽ፡+ ነዞም ኣወዳት እዚኦም ይባርኮም።+ ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣባታቶም ይጸዋዕ፡ ኣብ ምድሪ ብዙሓት ኪዀኑ ድማ ይሰስኑ።”+ 17 ዮሴፍ ከኣ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ምስ ረኣየ፡ በዚ ጐሃየ እሞ፡ ኢድ ኣቦኡ ሒዙ ኻብ ርእሲ ኤፍሬም ናብ ርእሲ ምናሴ ኼሕልፋ ፈተነ። 18 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡ፡ “ኣቦየ፡ እቲ በዅሪ እዚ እዩ እሞ፡+ ከምኡ ኣይኰነን። የማነይቲ ኢድካ ኣብ ርእሱ ኣንብር” በሎ። 19 ኣቦኡ ግና ኣብዩ፡ “እፈልጥ ወደየ፡ እፈልጥ። ንሱ እውን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ንሱ እውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንእሽቶ ሓዉ ኻብኡ ኺዓቢ እዩ፡+ ዘርኡ እውን ማዕረ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ”+ በለ። 20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም፦+ “‘ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ ኢሎም እስራኤላውያን ብኣኻ ይመርቑ።” በዚ ኸምዚ፡ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ። 21 ሽዑ፡ እስራኤል ንዮሴፍ፡ “እንሆ፡ እመውት ኣለኹ፣+ ኣምላኽ ግና ብርግጽ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ፡ ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኪመልሰኩም እዩ።+ 22 ኣነ ኸኣ ካብታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፋል* ሂበካ ኣለኹ” በሎ። 45 ሽዑ፡ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣገልገልቲ፡ ርእሱ ኺቈጻጸር ኣይከኣለን።+ ዓው ኢሉ ኸኣ፡ “ንዅሎም ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ” በለ። ዮሴፍ ንኣሕዋቱ፡ መንነቱ ኼፍልጦም ከሎ፡ ዋላ ሓደ ኻልእ ሰብ ምስኡ ኣይነበረን።+ 2 ድምጹ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፣ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ፡ ቤት ፈርኦን እውን ሰምዐት። 3 ዮሴፍ ድማ ንኣሕዋቱ፡ “ኣነ ዮሴፍ እየ። ኣቦይከ ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧” በሎም። ኣሕዋቱ ግና ብሰንኩ ተደሚሞም ስለ ዝነበሩ፡ ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን። 4 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “በጃኹም ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ናብኡ ቐረቡ። ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።+ 5 ንምድሓን ህይወት ኢሉ ኣምላኽ እዩ ቕድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡+ ሕጂ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩን ኣይትወቓቐሱን። 6 ኣብዛ ምድሪ፡ ጥሜት ካብ ዚኸውን እዚኣ ኻልአይቲ ዓመት እያ፣+ ዘይሕረሰለን ወይ ዘይዕጸደለን ከኣ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። 7 ግናኸ፡ ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈልኩም፡+ ብዓብዪ ድሕነት ድማ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ቅድሜኹም ዝለኣኸኒ ኣምላኽ እዩ። 8 እምበኣር፡ ንፈርኦን ቀንዲ ኣማኻሪኡ፡* ንዅላ ቤቱ ጐይታ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ገዛኢ ክኸውን ዝሸመኒ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ እምበር፡+ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። 9 “ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ፡ ከምዚ በልዎ፦ ‘ወድኻ ዮሴፍ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ጐይታ ገይሩ ሸይሙኒ ኣሎ።+ ናባይ ውረድ። ኣይትደንጒ።+ 10 ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ጤለ በጊዕካን ከብትኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ምድሪ ጎሼን ኣብ ጥቓይ ክትቅመጥ ኢኻ።+ 11 ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ፡+ ኣብኡ ኽምግበካ እየ። እንተ ዘይኰነስ፡ ንስኻን ቤትካን ዘሎካ ዅሉን ክትደኽዩ ኢኹም።”’ 12 ዝዛረበኩም ዘለኹ ኣነ ምዃነይ፡+ ኣዒንትኹምን ኣዒንቲ ሓወይ ብንያምን ይርእያ ኣለዋ። 13 ስለዚ፡ ብዛዕባ ዅሉ ኣብ ግብጺ ዘሎኒ ኽብርን ብዛዕባ እቲ ዝረኣኹምዎ ዅሉን ንኣቦይ ንገርዎ። ንኣቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ።” 14 ሽዑ፡ ንሓዉ ብንያም ሓቚፍዎ* በኸየ፣ ብንያም እውን ኣብ ክሳዱ በኸየ።+ 15 ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዓሞም፣ ድሕርዚ፡ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ። 16 ኣብ ቤት ፈርኦን ድማ፡ “ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦም” ዚብል ወረ ተሰምዐ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ፈርኦንን ገላዉኡን ጽቡቕ ነበረ። 17 ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ፦ “ንኣሕዋትካ ኸምዚ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ከምዚ ግበሩ፦ መጽዓኛታትኩም ጽዒንኩም ናብ ምድሪ ከነኣን ኪዱ፣ 18 ንኣቦኹምን ንቤተ ሰብኩምን ሒዝኩም ከኣ ናባይ ምጹ። ካብ ምድሪ ግብጺ ጸጽቡቑ ኽህበኩም እየ፣ ካብቲ ስቡሕ ክፋል እዛ ምድሪ እውን ክትበልዑ ኢኹም።’+ 19 ከምዚ ኢልካ ኽትነግሮም እውን እእዝዘካ ኣለኹ፦+ ‘ከምዚ ግበሩ፦ ንቘልዑኹምን ንኣንስትኹምን ካብ ግብጺ ሰረገላታት ውሰዱ፣+ ንኣቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምጹ።+ 20 እቲ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ብዛዕባ ንብረትኩም ኣይትጨነቑ።’”+ 21 ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፣ ዮሴፍ ከኣ ከም ትእዛዝ ፈርኦን፡ ሰረገላታት ሃቦም፣ ንመገዲ ድማ ስንቂ ሃቦም። 22 ንነፍሲ ወከፎም ለውጢ ኽዳውንቲ ሃቦም፣ ንብንያም ግና 300 ብሩርን ሓሙሽተ ለውጢ ኽዳውንትን ሃቦ።+ 23 ንኣቦኡ ድማ ጸጽቡቕ ነገር ግብጺ እተጻዕኑ ዓሰርተ ኣእዱግ፡ ንመገዲ ዚዀኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ቀለብን እተጻዕና ዓሰርተ ኣንስትዮ ኣእዱግ ለኣኸሉ። 24 ንኣሕዋቱ ኸኣ ሰደዶም፣ ምስ ነቐሉ ድማ፡ “ኣብ መገዲ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓራረቑ” በሎም።+ 25 ካብ ግብጺ ደዪቦም ከኣ ናብ ምድሪ ከነኣን ናብ ኣቦኦም ያእቆብ መጹ። 26 ሽዑ፡ “ዮሴፍ ገና ብህይወት ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ዚገዝእ ዘሎ እውን ንሱ እዩ”+ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ግና ስለ ዘይኣመኖም፡ ልቡ ደንዘዘ።+ 27 እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ነገርዎ፡ እቲ ኺመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ድማ ምስ ረኣየ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሓደሰ። 28 እስራኤል ከኣ፡ “ይኣክል! ወደይ ዮሴፍሲ ገና ብህይወት ኣሎ! ቅድሚ ሙማተይ ደኣ ኸይደ ኽርእዮ” በለ።+ 12 የሆዋ ድማ ንኣብራም ከምዚ በሎ፦ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ።+ 2 ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፣ ንስምካ እውን ከዕብዮ እየ፣ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።+ 3 ንዚባርኹኻ ኽባርኾም፡ ንዚረግመካ እውን ክረግሞ እየ፣+ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብኣኻ ብርግጽ ኪባረኹ* እዮም።”+ 4 ኣብራም ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸደ፣ ሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 75 ዓመት ነበረ።+ 5 ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን+ ንሎጥ ወዲ ሓዉን+ ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን+ ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን* ወሰደ እሞ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ነቐሉ።+ ኣብ ምድሪ ከነኣን ምስ በጽሑ፡ 6 ኣብራም በታ ምድሪ እቲኣ ኽሳብ እታ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ+ ዘላ ሴኬም ተጓዕዘ።+ በቲ ግዜ እቲ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ። 7 የሆዋ ድማ ንኣብራም ተራእዮ፡ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ+ ኽህቦ እየ” ኸኣ በሎ።+ ኣብኡ ድማ ነቲ እተራእዮ የሆዋ መሰውኢ ሰርሓሉ። 8 ካብኡ ናብቲ ብምብራቕ ቤት-ኤል+ ዘሎ ኣኽራን ተጓዒዙ፡ ኣብኡ ድንኳን ተኸለ እሞ፡ ቤት-ኤል ብምዕራቡ፡ ዓይ+ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፡+ ስም የሆዋ እውን ኪጽውዕ ጀመረ።+ 9 ድሕርዚ፡ ኣብራም ካብቲ ዝሰፈረሉ ነቒሉ፡ ሰፈሩ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናኣግዓዘ ናብ ነጌብ ኣቢሉ ኸደ።+ 10 ኣብታ ምድሪ ኸኣ ጥሜት ኰነ፣ ኣብታ ምድሪ ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፡+ ኣብራም ንግዜኡ* ኣብኣ ኪቕመጥ+ ናብ ግብጺ ወረደ። 11 ናብ ግብጺ ኺኣቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ንሰበይቱ ሳራይ፡ “በጃኺ ስምዕኒ! መልክዐኛ ሰበይቲ ምዃንኪ እፈልጥ እየ።+ 12 ግብጻውያን ምስ ረኣዩኺ ድማ፡ ‘እዚኣ ሰበይቱ እያ’ ኺብሉ እዮም። ንዓይ ቀቲሎም ከኣ፡ ንዓኺ ብህይወት ኪሓድጉኺ እዮም። 13 ብሳላኺ ደሓን ምእንቲ ኽረክብ፡ ህይወተይ ከኣ ምእንቲ ኽትነሓፍሲ፡* በጃኺ ሓብቱ እየ በሊ” በላ።+ 14 ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ኣዝያ መልክዐኛ ምዃና ረኣዩ። 15 መሳፍንቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ወደስዋ፣ እታ ሰበይቲ እውን ናብ ቤት ፈርኦን ተወስደት። 16 ንሱ ድማ ንኣብራም ምእንታኣ ኢሉ ጽቡቕ ገበረሉ፣ ኣባጊዕን ከብትን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣእዱግን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ከኣ ኣጥረየ።+ 17 የሆዋ ኸኣ ብሰሪ ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም፡+ ንፈርኦንን ንቤተ ሰቡን ብብርቱዕ መዓት ወቕዖም። 18 ፈርኦን ድማ ንኣብራም ጸዊዑ፡ “እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ፧ ስለምንታይ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘይነገርካኒ፧ 19 ስለምንታይከ፡ ‘ሓብተይ እያ’ ኢልካኒ፧+ ሰበይተይ ክትከውን ክወስዳ ኢለ ነይረ። ሕጂ ኸኣ፡ እንሃትልካ ሰበይትኻ። ሒዝካያ ኺድ!” በሎ። 20 ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ ኣዘዞም፣ ንዕኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ከኣ ይኺዱ ሓደግዎም።+ 1 ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።+ 2 ምድሪ ድማ ቅርጺ ኣልቦን ባዶን ነበረት፣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ማይ*+ እውን ጸልማት ነበረ። ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ*+ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት+ ይዘውር ነበረ። 3 ኣምላኽ ከኣ፡ “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኰነ።+ 4 ኣምላኽ ከኣ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ኪፈልዮ ጀመረ። 5 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን፡ መዓልቲ ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኢሉ ሰመዮ።+ ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ። 6 ኣምላኽ ከኣ፡ “ኣብ መንጎ ማያት፡ ጠፈር ይኹን፣+ ንማያት ድማ ካብ ማያት ይፍለ”+ በለ። 7 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ገበሮ እሞ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 8 ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር፡ ሰማይ ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ። 9 ኣምላኽ ከኣ፡ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፡ ንቑጽ መሬት እውን ይርአ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 10 ኣምላኽ ድማ ነቲ ንቑጽ መሬት፡ ምድሪ ኢሉ ሰመዮ፣+ ነቲ እኩብ ማያት ግና ባሕርታት ኢሉ ሰመዮ።+ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።+ 11 ኣምላኽ ድማ፡ “እታ ምድሪ፡ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን ፍረ ምስ ዘርኡ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 12 እታ ምድሪ ኸኣ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ኣትክልትን+ ፍረ ምስ ዘርኡ ዚፈሪ ኣእዋምን በብዓይነቱ ኣውጽአት። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 13 ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ። 14 ኣምላኽ ከኣ፡ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ+ ብርሃናት+ ኣብ ጠፈር ሰማያት ይኹኑ፣ ንወቕትታትን ንመዓልትታትን ንዓመታትን ከኣ ምልክት ይኹኑ።+ 15 ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማያት ብርሃናት ይኹኑ” በለ። ከምኡ እውን ኰነ። 16 ኣምላኽ ድማ እቲ ዝዓበየ ብርሃን ብመዓልቲ ኺገዝእ፡+ እቲ ዝነኣሰ ብርሃን ከኣ ብለይቲ ኺገዝእ፡ ክልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፣ ከዋኽብቲ እውን ገበረ።+ 17 ኣምላኽ ከኣ ንዓታቶም ኣብ ጠፈር ሰማያት ገበሮም፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ኼብርሁ፡ 18 ብመዓልትን ብለይትን ኪገዝኡ፡ ንብርሃን ከኣ ካብ ጸልማት ኪፈልዩ ኢሉ እዩ።+ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 19 ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ። 20 ኣምላኽ ከኣ፡ “ማያት ብህያዋን ፍጡራት* ሓሰኽሰኽ ይበል፣ በረርቲ ፍጡራት ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማያት ይብረሩ” በለ።+ 21 ኣምላኽ ድማ ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን ኣብቲ ማያት ውንጅርጅርን ሓሰኽሰኽን ዚብል ኵሉ ህያው ፍጡር* በብዓይነቱን ኵሉ ኽንፊ ዘለዎ በራሪ ፍጡር በብዓይነቱን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 22 ኣምላኽ ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፣+ በረርቲ ፍጡራት ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሑ” ኢሉ ባረኾም። 23 ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሓምሸይቲ መዓልቲ። 24 ኣምላኽ ከኣ፡ “ምድሪ፡ ህያዋን ፍጡራት* በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን* እንስሳ ዘገዳም ምድርን እውን በብዓይነቱ ተውጽእ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 25 ኣምላኽ ድማ እንስሳ ዘገዳም ምድሪ በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤት በብዓይነቱ፡ ኵሉ ለማሚ ምድሪ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 26 ኣምላኽ ከኣ፡ “ብመልክዕና ኸም ምስልና+ ሰብ ንግበር፣+ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ንእንስሳታት ዘቤትን ንዅላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለማምን ይግዝኡ” በለ።+ 27 ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ፣ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።+ 28 ኣምላኽ ከኣ ባረኾም፣ ኣምላኽ ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን+ ግዝእዋን፣+ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን ከኣ ግዝኡ”+ በሎም። 29 ኣምላኽ ከኣ፡ “እንሆ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዚህብ ኵሉ ተኽልን ኵሉ ዘርኢ ዚህብ ፍረ ዘለዎ ኦምን ሂበኩም ኣለኹ። ምግቢ እውን ይኹንኩም።+ 30 ንዅሉ እንስሳ ዘገዳም ምድርን ንዅሉ በራሪ ፍጡር ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህይወት ዘለዎን* ከኣ፡ ለምለም ኣትክልቲ ንምግቦም ሂበዮም ኣለኹ” በለ።+ ከምኡ እውን ኰነ። 31 ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፣ እንሆ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ።+ ምሸት ኰነ፡ ንግሆ እውን ኰነ፡ ሻድሸይቲ መዓልቲ። 49 ያእቆብ ድማ ንደቁ ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም እትዀኑ ኽነግረኩምሲ፡ ተኣከቡ። 2 ኣቱም ደቂ ያእቆብ፡ ተኣከቡ እሞ ስምዑ፣ እወ፡ ንኣቦኹም እስራኤል ስምዕዎ። 3 “ሮቤል፡+ ንስኻ በዅረይ፡+ ሓይለይን መጀመርታ ስብእነተይን፡ ብሉጽ ክብርን ብሉጽ ብርታዐን ኢኻ። 4 ከም ዚናወጽ ማያት ብሸለልትነት ናብ ዓራት ኣቦኻ ስለ ዝደየብካ፡ ኣይክትበልጽን ኢኻ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንዓራተይ ኣርከስካዮ።+ እወ፡ ናብኡ ደየበ። 5 “ስምኦንን ሌዊን ኣሕዋት እዮም።+ ኣጽዋሮም፡ ኣጽዋር ዓመጻ እዩ።+ 6 ብቝጥዓኦም ሰብኡት ቀቲሎም፡+ ንባህታኦም ኣብዑር ቀንጂቦም እዮም እሞ፡ ነፍሰይ* ኣይትሕበሮም። ክብረይ* ኣብ ኣኼባኦም ኣይሕበር። 7 ቍጥዓኦም ሕሱም፡ ነድሮም ከኣ ጨካን እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን።+ ኣብ ያእቆብ ክብትኖም፡ ኣብ እስራኤል ፋሕ ከብሎም እየ።+ 8 “ኣታ ይሁዳ፡+ ኣሕዋትካ ኺውድሱኻ እዮም።+ ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ።+ ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም።+ 9 ይሁዳ ዅርኩር ኣንበሳ እዩ።+ ወደየ፡ ካብ ግዳይ ብርግጽ ክትድይብ ኢኻ። ንሱ ኸም ኣንበሳ ተዀርመየን በጥ በለን፣ ከም ኣንበሳኸ መን ደፊሩ የተንስኦ፧ 10 ሺሎ* ኽሳዕ ዚመጽእ፡+ ካብ ይሁዳ ዘንጊ፡ ካብ መንጎ ኣእጋሩ ኸኣ በትሪ ኣዛዚ ኣይኪፍለን እዩ፣+ ተኣዛዝነት ህዝብታት ናቱ እዩ።+ 11 ንኣድጉ ምስ ተኽሊ ወይኒ፡ ንውላድ ኣድጉ ምስ ብሉጽ ተኽሊ ወይኒ ኣሲሩ፡ ልብሱ ብወይኒ፡ ክዳኑ ድማ ብደም ወይኒ ኺሓጽብ እዩ። 12 ኣዒንቱ ብወይኒ ኪቐይሓ፡ ኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኺጽዕድዋ እየን። 13 “ዛብሎን+ ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ጥቓ እቲ መራኽብ መልህቕ ዚድርብያሉ ገምገም ኪነብር እዩ፣+ ጫፍ ዶቡ ኸኣ ናብ ሲዶን ኪኸውን እዩ።+ 14 “ይሳኮር+ ኣብ መንጎ ኽልተ እተወደነ ጽዕነት በጥ ዚብል ድልዱል ዝዓጽሙ ኣድጊ እዩ። 15 እታ መዕረፊት ጽብቕቲ፡ እታ ምድሪ ድማ ባህ እተብል ምዃና ኺርኢ እዩ። ንምጻር መንኵቡ ኼትሕትን ብግዲ ኺሽቅልን እዩ። 16 “ዳን+ ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰይኑ ንህዝቡ ኺዳኒ እዩ።+ 17 ዳን፡ እቲ ኣብ ፈረስ ዚውጣሕ ንድሕሪት ምእንቲ ኺወድቕ፡ ሸዀናታት ፈረስ ዚነክስ ኣብ ደረት መገዲ ተመን፡ ኣብ ወሰን መገዲ ድማ ቀራን ተመን ይኹን።+ 18 ኦ የሆዋ፡ ንድሕነትካ ኽጽበ እየ። 19 “ንጋድ+ ዘማቲ ጭፍራ ኼጥቅዖ እዩ፣ ንሱ ግና እግሪ እግሮም ኬጥቅዖም እዩ።+ 20 “እንጌራ ኣሴር+ ብዙሕ* ኪኸውን እዩ፣ ንንጉስ ዚበቅዕ ምግቢ እውን ኪህብ እዩ።+ 21 “ንፍታሌም+ ሽንቅጥ ዝበለት እራብ እዩ። ጥዑም ቃል ይዛረብ ኣሎ።+ 22 “ዮሴፍ+ ጨንፈር ፈራዪት ኦም፡ ጨናፍራ ኣብ ልዕሊ መንደቕ እተዘርግሐ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዘላ ፈራዪት ኦም እዩ። 23 ቀስተኛታት ግና ኣጨነቕዎን ወርወሩሉን ጸልእዎን።+ 24 ቀስቱ ግና ጸኒዑ ይነብር፣+ ኣእዳዉ ድማ ድልዱልን ንጡፍን እዩ።+ እዚ ድማ ካብ ኣእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፡ ካብቲ ጓሳ፡ ካብቲ እምኒ እስራኤል እዩ። 25 ንሱ* ኻብ ኣምላኽ ኣቦኻ እዩ፡ ንሱ እውን ኪሕግዘካ እዩ። ንሱ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል እዩ፡ ንሱ ድማ ብበረኸት ሰማያት ላዕሊ፡ ብበረኸት መዓሙቝ ታሕቲ፡+ ብበረኸት ኣጥባትን ማሕጸንን ኪባርኸካ እዩ። 26 በረኸት ኣቦኻ ኻብ በረኸት ዘለኣለማዊ ኣኽራን፡ ካብ ስልማት ነባሪ ዅርባታት ኪልዕል እዩ።+ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈልየ ኪኸውን እዩ።+ 27 “ብንያም+ ከም ተዅላ ኺሰላልዕ እዩ።+ ንግሆ ንግዳዩ ኺበልዖ፡ ምሸት ከኣ ምርኮኡ ኺመቅል እዩ።”+ 28 ኵሎም እዚኣቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዮም፣ ኣቦኦም ኪምርቖም ከሎ ዝበሎም ከኣ፡ እዚ እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ዘዚግብኦም ምርቓ ሃቦም።+ 29 ድሕርዚ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ኣነ ናብ ህዝበይ እእከብ ኣለኹ።*+ ምስ ኣቦታተይ ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ዘላ በዓቲ ቕበሩኒ።+ 30 ንሳ ኣብ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘላ በዓቲ እያ፣ እታ ኣብርሃም ካብ ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ኸም ርስቲ መቓብር ዝዓደጋ ግራት ድማ እያ። 31 ንኣብርሃምን ንሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ቐበርዎም።+ ንይስሃቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፣+ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ። 32 እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ካብ ደቂ ሔት እተዓደገት እያ።”+ 33 ያእቆብ ድማ ንደቁ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ወድአ። ድሕሪኡ፡ ኣእጋሩ ናብ ዓራት ኣከበ፡ ትንፋሱ ሓለፈት፡ ናብ ህዝቡ እውን ተኣከበ።*+ 36 ታሪኽ ኤሳው፡ ንሱ ድማ ኤዶም፡+ እዚ እዩ። 2 ኤሳው ካብ ኣዋልድ ከነኣን ኣንስቲ ኣእተወ፦ ዓዳ+ ጓል ኤሎን እቲ ሔታውን+ ኦሆሊባማ+ ጓል ዓና ጓል ወዱ ንጺብዖን እቲ ሔታውን 3 ባስማት+ ጓል እስማኤል ሓብቲ ነባዮትን።+ 4 ዓዳ ኸኣ ንኤሳው፡ ኤሊፋዝ ወለደትሉ፣ ባስማት ድማ ንረዑኤል ወለደት። 5 ኦሆሊባማ ኸኣ ንየዑሽን ንያዕላምን ንቆራሕን ወለደት።+ እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ከነኣን እተወልዱሉ ደቂ ኤሳው እዮም። 6 ድሕርዚ፡ ኤሳው ኣንስቱን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኵለን ኣባላት* ቤተ ሰቡን መጓሰኡን ኵሉ ዝተረፈ እንስሳኡን ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘጥረዮ ዅሉ ሃብቱን ወሰደ፡+ ካብ ሓዉ ያእቆብ ርሒቑ ኸኣ ናብ ካልእ ምድሪ ኸደ።+ 7 ከመይሲ፡ ብሓደ ኸይቅመጡ እቲ ጥሪቶም ኣመና በዚሑ ነበረ እሞ፡ ብምኽንያት መጓሰኦም እታ ዚቕመጡላ ዝነበሩ ምድሪ* ኽትጾሮም ኣይከኣለትን። 8 ስለዚ፡ ኤሳው ኣብ ኣኽራን ሰዒር ተቐመጠ።+ ኤሳው፡ ኤዶም እዩ።+ 9 ታሪኽ ኤሳው ኣቦ ኤዶማውያን ኣብ ኣኽራን ሰዒር እዚ እዩ።+ 10 ስማት ደቂ ኤሳው እዚ እዩ፦ ኤሊፋዝ ወዲ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፣ ረዑኤል ወዲ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው።+ 11 ደቂ ኤሊፋዝ ከኣ፡ ቴማንን+ ኦማርን ጼፎን ጋዕታምን ቄናዝን እዮም።+ 12 ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ኰነት። ንሳ ኸኣ ንኤሊፋዝ፡ ኣማሌቅ ወለደትሉ።+ እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 13 ደቂ ረዑኤል እዚኣቶም እዮም፦ ናሓትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን። እዚኣቶም ደቂ ባስማት+ ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 14 ደቂ ኦሆሊባማ ጓል ዓና ጓል ወዱ ንጺብዖን ሰበይቲ ኤሳው፡ ንኤሳው ዝወለደትሉ እዚኣቶም እዮም፦ የዑሽን ያዕላምን ቆራሕን። 15 ሹማምንቲ* ደቂ ኤሳው እዚኣቶም እዮም፦+ ደቂ ኤሊፋዝ በዅሪ ኤሳው፦ ሹም ቴማን፡ ሹም ኦማር፡ ሹም ጼፎ፡ ሹም ቄናዝ፡+ 16 ሹም ቆራሕ፡ ሹም ጋዕታም፡ ሹም ኣማሌቅ። እዚኣቶም ሹማምንቲ ኤሊፋዝ+ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ እዮም። 17 ደቂ ረዑኤል ወዲ ኤሳው እዚኣቶም እዮም፦ ሹም ናሓት፡ ሹም ዜራሕ፡ ሹም ሻማ፡ ሹም ሚዛ። እዚኣቶም ሹማምንቲ ረዑኤል ኣብ ምድሪ ኤዶም+ እዮም። እዚኣቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 18 ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ሹም የዑሽ፡ ሹም ያዕላም፡ ሹም ቆራሕ። እዚኣቶም ሹማምንቲ ኦሆሊባማ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 19 እዚኣቶም ደቂ ኤሳው እዮም፣ እዚኣቶም ከኣ ሹማምንቶም እዮም። ንሱ ኤዶም እዩ።+ 20 ደቂ ሰዒር እቲ ሖራዊ፡ ነበርቲ እታ ምድሪ እቲኣ እዚኣቶም እዮም፦+ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን+ 21 ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን።+ እዚኣቶም ሹማምንቲ ሖራውያን ደቂ ሰዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። 22 ደቂ ሎጣን ከኣ ሖሪን ሄማምን እዮም፣ ሓብቲ ሎጣን ድማ ቲምናዕ እያ።+ 23 ደቂ ሾባል እዚኣቶም እዮም፦ ዓልዋንን ማናሓትን ዔባልን ሸፎን ኦናምን። 24 ደቂ ጺብዖን እዚኣቶም እዮም፦+ ኣያን ዓናን። እዚ ዓና እዚ፡ ኣእዱግ ኣቦኡ ጺብዖን ኣብ በረኻ ኺጓሲ ኸሎ፡ ዓይንታት ማይ ውዑይ ዝረኸበ እዩ። 25 ደቂ ዓና እዚኣቶም እዮም፦ ዲሾንን ኦሆሊባማ ጓል ዓናን። 26 ደቂ ዲሾን እዚኣቶም እዮም፦ ሔምዳንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን።+ 27 ደቂ ኤጸር እዚኣቶም እዮም፦ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን። 28 ደቂ ዲሻን እዚኣቶም እዮም፦ ዑጽን ኣራንን።+ 29 ሹማምንቲ ሖራውያን እዚኣቶም እዮም፦ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና፡ 30 ሹም ዲሾን፡ ሹም ኤጸር፡ ሹም ዲሻን።+ እዚኣቶም ሹማምንቲ ሖራውያን በብሹማምንቶም ኣብ ምድሪ ሰዒር እዮም። 31 ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን* ንጉስ ከይነገሰ ኸሎ፡+ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነገሱ ነገስታት እዚኣቶም እዮም።+ 32 ቤላዕ ወዲ ቤዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፣ ስም ከተማኡ ኸኣ ዲንሃባ ነበረ። 33 ቤላዕ ምስ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 34 ዮባብ ምስ ሞተ፡ ሑሻም ካብ ምድሪ ቴማናውያን ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 35 ሑሻም ምስ ሞተ፡ እቲ ንሚድያናውያን+ ኣብ ምድሪ* ሞኣብ ዝሰዓረ ሃዳድ ወዲ በዳድ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ፣ ስም ከተማኡ ድማ ዓዊት ነበረ። 36 ሃዳድ ምስ ሞተ፡ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 37 ሳምላ ምስ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዘላ ረሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 38 ሻኡል ምስ ሞተ፡ በዓል-ሓናን ወዲ ዓኽቦር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 39 በዓል-ሓናን ወዲ ዓኽቦር ምስ ሞተ፡ ሃዳር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ኸኣ ጳዑ ነበረ፣ ስም ሰበይቱ ድማ ሜሄጣብኤል እዩ፣ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜዛሃብ እያ። 40 ስማት ሹማምንቲ ኤሳው ከከም ዓሌቶም፡ ከከም ቦታኦም፡ በብስማቶም እዚ እዩ፦ ሹም ቲምናዕ፡ ሹም ዓልዋ፡ ሹም የቴት፡+ 41 ሹም ኦሆሊባማ፡ ሹም ኤላህ፡ ሹም ጲኖን፡ 42 ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡ 43 ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም ከከም ሰፈሮም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለዉ ሹማምንቲ ኤዶም እዮም።+ እዚ ኤሳው ኣቦ ኤዶም እዩ።+ 29 ድሕሪኡ፡ ያእቆብ ጕዕዞኡ ቐጸለ፡ ናብ ሃገር ደቂ ምብራቕ ድማ ከደ። 2 ኣብ መሮር ከኣ ዒላ ረኣየ፣ ካብቲ ዒላ ድማ ነተን መጓሰ የስትዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ጥቓኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዒላ ኸኣ ዓብዪ እምኒ ነበረ። 3 ኵለን እተን መጓሰ ናብኡ ምስ ተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኣንከባሊሎም፡ ነተን መጓሰ የስትይወን ነበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ እምኒ ናብ ቦታኡ፡ ናብ ኣፍ እቲ ዒላ ይመልስዎ ነበሩ። 4 ያእቆብ ከኣ፡ “ኣሕዋተየ፡ ካበይ ኢኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ካብ ካራን ኢና” በልዎ።+ 5 ንሱ ኸኣ፡ “ንላባን+ ወዲ ወዱ ንናሆርዶ+ ትፈልጥዎ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “እወ ንፈልጦ” በሉ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ደሓንዶ ኣሎ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ደሓን ኣሎ። ራሄል+ ጓሉ እውን እንሃ ምስተን ኣባጊዕ ትመጽእ ኣላ” ኢሎም መለሱሉ። 7 ንሱ ኸኣ፡ “ገና ፍርቂ መዓልቲ እዩ። መጓሰ ዚእከባላ ግዜ ኣይኰነትን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ፡ ኬድኩም ኣብልዕወን” በሎም። 8 ንሳቶም ድማ፡ “ኵለን መጓሰ ኸይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ኸይገልበጥዎ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣይፍቀደልናን እዩ። ሽዑ፡ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን” በሉ። 9 ገና ምሳታቶም ኪዛራረብ ከሎ፡ ራሄል ጓሳ ስለ ዝነበረት፡ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት። 10 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ንኣባጊዕ ላባንን ምስ ረኣየ፡ ያእቆብ ብኡብኡ ቐሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኣንከባለሎ፡ ንኣባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን። 11 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዓማ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ እውን በኸየ። 12 ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ* ኣቦኣን ወዲ ርብቃን ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጐይያ ንኣቦኣ ነገረቶ። 13 ላባን+ ወረ ያእቆብ ወዲ ሓብቱ ምስ ሰምዐ፡ ኪቕበሎ ጐየየ። ሓቚፉ ድማ ሰዓሞ፡ ናብ ቤቱ እውን ኣእተዎ። ንሱ ኸኣ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ንላባን ነገሮ። 14 ላባን ድማ፡ “ብሓቂ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ስለዚ፡ ምስኡ ምሉእ ወርሒ ተቐመጠ። 15 ድሕርዚ፡ ላባን ንያእቆብ፡ “ዘመደይ*+ ስለ ዝዀንካዶ ብኸንቱ ኽትግዝኣኒ ኢኻ፧ ዓስብኻ እንታይ ምዃኑ ደኣ ንገረኒ” በሎ።+ 16 ላባን ከኣ ክልተ ኣዋልድ ነበራኦ። ስም እታ ዓባይ ልያ፡ ስም እታ ንእሽቶ ድማ ራሄል ነበረ።+ 17 ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፣ ራሄል ግና ውቅብትን መልክዐኛን ነበረት። 18 ያእቆብ ድማ ንራሄል ኣፍቀራ እሞ፡ “ምእንቲ ራሄል እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሸውዓተ ዓመት ክግዝኣካ ፍቓደኛ እየ” በሎ።+ 19 ላባን ከኣ፡ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንዓኻ ኽህባ ይሕሸኒ። ምሳይ ተቐመጥ” በሎ። 20 ያእቆብ ድማ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ተገዝአ፣+ ብምኽንያት እቲ ንዓኣ ዝነበሮ ፍቕሪ ግና፡ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሒደት መዓልትታት ኰይነን ተራእያኦ። 21 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ንላባን፡ “መዓልትታተይ ስለ ዝኣኸላ፡ ከእትዋ ሰበይተይ ሃበኒ” በሎ። 22 ሽዑ፡ ላባን ንዅሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ድግስ ገበረ። 23 ምስ መሰየ ግና፡ ንልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣምጽኣ፣ ንሱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ። 24 ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ገረድ እትዀና ዚልጳ ገረዱ ሃባ።+ 25 ምስ ነግሀ ኸኣ፡ ያእቆብ፡ ልያ ምዃና ረኣየ። ስለዚ፡ ንላባን፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ኣታሊልካኒ፧” በሎ።+ 26 ላባን ድማ፡ “ኣብ ዓድና ንእሽቶ ቕድሚ በዅሪ ምሃብ፡ ባህልና ኣይኰነን። 27 ናይ እዚኣ፡ ሰሙን ተሓጸን። ድሕሪኡ፡ ስለቲ ኸም ብሓድሽ ንሸውዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እዛ ኻልእ ክትውሃበካ እያ” በሎ።+ 28 ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገበረ፣ ናይ እዚኣ፡ ሰሙን ተሓጸነ። ድሕሪኡ ድማ፡ ንሱ፡ ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 29 ላባን ድማ ንራሄል ጓሉ፡ ገረድ እትዀና ቢልሃ ገረዱ ሃባ።+ 30 ያእቆብ ከኣ ናብ ራሄል ኣተወ፣ ንራሄል ድማ ሓለፋ ልያ ኣፍቀራ፣ ምስኡ ዀይኑ ኸኣ ካልእ ሸውዓተ ዓመት ተገዝአ።+ 31 የሆዋ ድማ ልያ ኸም ዘይተፈቕረት* ምስ ረኣየ፡ ጥንሲ ኽትሕዝ ኣኽኣላ፣*+ ራሄል ግና መኻን ነበረት።+ 32 ልያ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “የሆዋ መከራይ ስለ ዝረኣየ እዩ፣+ ሕጅስ ሰብኣየይ ኬፍቅረኒ እዩ” ኢላ ኸኣ ስሙ ሮቤል* ኣውጽኣትሉ።+ 33 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “የሆዋ ኸም ዘይተፈቐርኩ ስለ ዝሰምዐ እዩ ነዚ እውን ዝሃበኒ” ኢላ ስሙ ስምኦን* ኣውጽኣትሉ።+ 34 ከም ብሓድሽ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ሰለስተ ኣወዳት ስለ ዝወለድኩሉ፡ ሕጂ ሰብኣየይ ናባይ ኪለግብ እዩ” በለት። ስለዚ፡ ስሙ ሌዊ* ተባህለ።+ 35 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ሕጅስ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ” ኢላ ስሙ ይሁዳ* ኣውጽኣትሉ።+ ድሕርዚ፡ ምውላድ ኣቋረጸት። 28 ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፦ “ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ።+ 2 ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን+ ሰበይቲ ኣእቱ። 3 እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድማ ኪባርኸካን ኬፍርየካን እዩ፣ ብርግጽ እውን ጭፍራ ህዝብታት ክትከውን ኢኻ።+ 4 ነዛ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝሃቦ ጓና ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድሪ ምእንቲ ኽትርስተያ፡+ ንዓኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም+ ኪህበካ እዩ።” 5 ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ሰደዶ፣ ንሱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ ላባን ወዲ ቤቱኤል እቲ ኣራማዊ፡+ ሓው ርብቃ+ ኣደ ያእቆብን ኤሳውን፡ ከደ። 6 ኤሳው ከኣ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ፡ ካብኡ ሰበይቲ ኼእቱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም ከም ዝሰደዶ፡ ኪምርቖ ኸሎ ኸኣ፡ “ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኸይተእቱ”+ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ ረኣየ። 7 ያእቆብ ድማ ንኣቦኡን ንኣዲኡን ተኣዚዙ፡ ናብ ጳዳን-ኣራም ነቐለ።+ 8 ሽዑ፡ ኤሳው፡ ኣዋልድ ከነኣን ንኣቦኡ ይስሃቅ ከም ዘጕሃያኦ ረኣየ።+ 9 ስለዚ፡ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ዝነበራኦ ኣንስቲ፡ ንማሓላት ጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፡ ሓብቲ ነባዮት፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኣእተዋ።+ 10 ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ነቒሉ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ።+ 11 ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ጸሓይ ስለ ዝዓረበት፡ ኣብኣ ኺሓድር መደበ። ካብቲ ኣብታ ቦታ እቲኣ ዝነበረ ኣእማን ሓንቲ ወሲዱ ድማ፡ ተተርኢስዋ፡ ኣብኣ ደቀሰ።+ 12 ሽዑ፡ ሓለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ መደያይቦ* ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ፡ ርእሱ ድማ ክሳብ ሰማያት በጺሑ ነበረ። መላእኽቲ ኣምላኽ ድማ ይድይቡሉን ይወርዱሉን ነበሩ።+ 13 እንሆ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ዀይኑ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ።+ እዛ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበኩም እየ።+ 14 ዘርእኻ ድማ ብርግጽ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣+ ናብ ምዕራብን ናብ ምብራቕን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ከኣ ከተስፋሕፍሕ ኢኻ፣ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻን ብዘርእኻን ብርግጽ ኪባረኹ* እዮም።+ 15 ኣነ ኸኣ ምሳኻ እየ፣ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።+ እቲ ቓል ዝኣቶኹልካ ኽሳዕ ዝገብሮ፡ ኣይክሓድገካን እየ።”+ 16 ያእቆብ ከኣ ካብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፡ “ኣነ ደኣ እየ ዘይፈለጥኩ ነይረ እምበር፡ ብሓቂ የሆዋ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ። 17 ፈሪሁ ድማ፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ! እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡+ ካልእ ኣይኰነትን፣ እዚኣ ኸኣ ኣፍ ደገ ሰማያት እያ” በለ።+ 18 ያእቆብ ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነታ ተተርኢስዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ፡ ሓወልቲ ኽትከውን ኣቘማ፡ ኣብ ልዕሊኣ እውን ዘይቲ ኣፍሰሰላ።+ 19 ነታ ቦታ እቲኣ ድማ ቤት-ኤል* ኢሉ ሰመያ፣ ቅድሚኡ ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ነበረ።+ 20 ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተመባጽዐ፦ “ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ጕዕዞይ ከኣ እንተ ሓልዩኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፡ 21 ናብ ቤት ኣቦይ እውን ብደሓን እንተ ተመሊሰ፡ ሽዑ የሆዋ ብርግጽ ኣምላኸይ ኪኸውን እዩ። 22 እዛ ሓወልቲ ገይረ ኣቚመያ ዘለኹ እምኒ ኸኣ፡ ቤት ኣምላኽ ክትከውን እያ፣+ ኣነ ድማ ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ብርግጽ ዕሽር ክህበካ እየ።” 38 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሒራ ዝስሙ ዓዱላማዊ ሰብኣይ ድንኳኑ ተኸለ። 2 ኣብኡ ኸኣ ይሁዳ፡ ሓንቲ ጓል ሓደ ሹዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረኣየ።+ ንዓኣ ወሲዱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ፣ 3 ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ ወለደት፡ ዔር ኢላ እውን ሰመየቶ።+ 4 መሊሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ ወለደት፡ ኦናን ኢላ እውን ሰመየቶ። 5 ከም ብሓድሽ ድማ ወዲ ወለደት፡ ሸላሕ ኢላ እውን ሰመየቶ። ንዕኡ ኽትወልድ ከላ ኸኣ፡ ንሱ* ኣብ ኣክዚብ+ ነበረ። 6 ይሁዳ ድማ ንዔር እቲ በዅሪ ወዱ፡ ታማር+ ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። 7 ዔር እቲ በዅሪ ይሁዳ ግና፡ ንየሆዋ ዜጕሂ ነበረ፣ ስለዚ፡ የሆዋ ቐተሎ። 8 ሽዑ፡ ይሁዳ ንኦናን፡ “ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣተንስኣሉ” በሎ።+ 9 ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንዕኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ።+ ስለዚ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ኺኣቱ ኸሎ፡ ንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ዘርኡ ናብ ምድሪ ኸዓዎ።+ 10 እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ነበረ። ስለዚ፡ ንዕኡ እውን ቀተሎ።+ 11 ሽዑ፡ ይሁዳ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱ፡ “ወደይ ሸላሕ ክሳዕ ዚዓቢ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ከመይሲ፡ ‘ንሱ እውን ከም ኣሕዋቱ ኺመውት ይኽእል እዩ’ ኢሉ ነበረ።+ ታማር ድማ ከይዳ ኣብ ቤት ኣቦኣ ተቐመጠት። 12 ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ+ ሞተት። ይሁዳ ሓዘኑ ድሕሪ ምውዳኡ፡ ምስ ሒራ እቲ ዓዱላማዊ+ ፈታዊኡ ናብቶም ኣብ ቲምና+ ዝነበሩ ቐምቀምቲ ኣባጊዑ ደየበ። 13 ንታማር ድማ፡ “ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቕምቅም ናብ ቲምና ይድይብ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግራ። 14 ንሳ ኸኣ፡ ሸላሕ ዓብዩ ኽነሱ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኸም ዘይተዋህበት ረኣየት እሞ፡+ ክዳን ምብልውናኣ ቐንጢጣ፡ ብመጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብታ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምና ዘላ ኣፍ ደገ ዔናይም ተቐመጠት። 15 ይሁዳ ምስ ረኣያ፡ ገጻ ሸፊና ስለ ዝነበረት፡ ኣመንዝራ መሰለቶ። 16 ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡+ ናብኣ ናብቲ ጥቓ መገዲ ኣላጊሱ፡ “ናባኺ ኽኣቱ በጃኺ ፍቐድለይ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧” በለቶ። 17 ንሱ ኸኣ፡ “ካብ መጓሰይ ማሕስእ ክሰድደልኪ እየ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ክሳዕ እትሰድደለይከ ትሕጃዶ ኽትህበኒ፧” በለቶ። 18 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ትሕጃ ደኣ እሞ ኽህበኪ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “ቀለቤት ማሕተምካን+ ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን” በለቶ። ሽዑ፡ ንሱ ንዓኣ ሃባ፡ ናብኣ ኸኣ ኣተወ፡ ንሳ እውን ካብኡ ጠነሰት። 19 ድሕርዚ፡ ተንሲኣ ኸደት፡ መጐልበቢኣ ቐንጢጣ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት። 20 ይሁዳ ኸኣ ነቲ ትሕጃ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኺወስድ ኢሉ፡ ብኢድ እቲ ዓዱላማዊ+ ፈታዊኡ ማሕስእ ሰደደላ፣ ንሱ ግና ኣይረኸባን። 21 ሽዑ፡ ንሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ “እታ ኣብ ዔናይም፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ዝነበረት ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣበይ ኣላ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብዚ ቦታ እዚ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይነበረትን” በሉ። 22 ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ፡ “ኣይረኸብክዋን፡ ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ‘ኣብዚ ቦታ እዚ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይነበረትን’ ኢሎም” በሎ። 23 ይሁዳ ኸኣ፡ “ከይንነዓቕሲ፡ ንዓኣ ትውሰዶ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣነ ነዚ ማሕስእ እዚ ልኢኸ እየ፣ ንስኻ ግና ኣይረኸብካያን” በለ። 24 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ንይሁዳ፡ “ታማር ሰበይቲ ወድኻ መንዚራ፡ ብምንዝርናኣ እውን ጠኒሳ ኣላ” ተባሂሉ ተነግሮ። ይሁዳ ድማ፡ “ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ” በለ።+ 25 ምስ ኣውጽእዋ ኸኣ፡ ናብ ሓሙኣ፡ “ኣነ ኻብ ብዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘለኹ” ኢላ ሰደደት። “እዛ ቐለቤት ማሕተም እዚኣን እዛ ማዕተብ እዚኣን እዛ በትሪ እዚኣን ናይ መን ከም ዝዀና እስከ በጃኻ መርምር” ድማ በለት።+ 26 ይሁዳ ኸኣ መርመሮ፡ “ንወደይ ሸላሕ ስለ ዘይሃብክዋስ፡+ ካባይ ንሳ ትጸድቕ” ድማ በለ። ድሕሪኡ ኸኣ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን። 27 ግዜ ሕርሳ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ። 28 ክትወልድ ከላ ኸኣ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽአ፣ እታ መሕረሲት ድማ፡ “እዚ ቐዳማይ ወጸ” ኢላ ብኡብኡ ቐይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ። 29 ንሱ ኢዱ ምስ መለሰ ግና፡ ሓዉ ወጸ፣ ንሳ ኸኣ፡ “ከመይ ሰንጠቕካ!” በለት። ስለዚ፡ ስሙ ፋሬስ* ተባህለ።+ 30 ድሕሪኡ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ወጸ፣ ስሙ ድማ ዜራሕ ተባህለ።+ 8 ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ምስኡ ኣብ መርከብ ንዝነበሩ ዅሎም እንስሳታት ዘገዳምን እንስሳታት ዘቤትን ቈላሕታ ገበረሎም፣*+ ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማያት ድማ ኪጐድል ጀመረ። 2 ዓይኒ ማያት እቲ መዓሙቝ ማይን መሳዅቲ ሰማያትን ተዓብሰ፣ እቲ ኻብ ሰማያት ዚዘንም ዝነበረ ዝናም እውን ዛረየ።*+ 3 ሽዑ፡ እቲ ማያት ካብ ምድሪ እናነከየ ኸደ። ኣብ መወዳእታ 150 መዓልቲ ኸኣ፡ እቲ ማይ ጐደለ። 4 ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 17 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዓረፈት። 5 እቲ ማያት ከኣ ክሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣራእስ እቲ ኣኽራን ተራእየ።+ 6 ኣብ መወዳእታ እቲ 40 መዓልቲ፡ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፊቱ፡+ 7 ኳዅ ሰደደ፣ ንሱ ኸኣ ማያት ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዚነቅጽ፡ ኣብ ወጻኢ ይነፍርን ይምለስን ነበረ። 8 ጸኒሑ፡ እቲ ማያት ካብ ገጽ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ዀይኑ ኺርኢ፡ ርግቢ ሰደደ። 9 እቲ ማያት ንገጽ ብዘላ ምድሪ ኣጐልቢብዋ ስለ ዝነበረ፡ እታ ርግቢ መዕለቢ* ስኢና ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶ።+ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ወሰዳ፡ ናብ መርከብ ከኣ ኣእተዋ። 10 ገና ኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። 11 እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ምስ ተመልሰቶ፡ ሓድሽ እተቐንጠበ ቘጽሊ ኣውልዕ ኣብ መትኰባ ረኣየ። ሽዑ፡ ኖህ እቲ ማያት ካብ ምድሪ ኸም ዝጐደለ ፈለጠ።+ 12 ገና ኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ ሰደዳ፣ ድሕሪኡ ግና ኣይተመልሰቶን። 13 ኣብ መበል 601 ዓመት፡+ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እቲ ማያት ካብ ምድሪ ነጸፈ፣ ኖህ ከኣ መኽደኒ እታ መርከብ ቀልዐ፡ ገጽ እታ ምድሪ ይነቅጽ ከም ዝነበረ ድማ ረኣየ። 14 ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 27 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ምድሪ ነቐጸት። 15 ኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ በሎ፦ 16 “ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን ኣንስቲ ደቅኻን ካብ መርከብ ውጹ።+ 17 ህያው ፍጡር ዘበለ ዅሉ ስጋን+ በረርቲ ፍጡራትን እንስሳታትን ኵሎም ለመምቲ ምድርን፡ ኣብ ምድሪ ኺስስኑ፡* ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ኪፋረዩን ኪባዝሑን ምሳኻ ኣውጽኣዮም።”+ 18 ሽዑ፡ ኖህ ምስ ደቁን+ ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ወጸ። 19 ኵሉ ህያው ፍጡርን ኵሉ ለማምን ኵሉ በራሪ ፍጡርን ኣብ ምድሪ ዚንቀሳቐስ ዘበለ ዅሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ።+ 20 ኖህ ድማ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳን ካብ ኵሉ ንጹህ በራሪ ፍጡርን+ ወሲዱ ኸኣ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።+ 21 የሆዋ ድማ ነቲ ጥዑም ጨና ኣጫነዎ። ስለዚ፡ የሆዋ ብልቡ፡ “ዝንባለ ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡+ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ ኣይክረግማን እየ፣+ ድሕሪ ደጊም እውን ከምቲ ዝገበርክዎ፡ ህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ።+ 22 ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ምድሪ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣይኬቋርጽን እዩ” በለ።+ 11 ኵላ ምድሪ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ጕጅለ ቓላትን ትዛረብ ነበረት። 2 ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ሲንኣር+ ጐልጐል ስንጭሮ ረኸቡ፡ ኣብኡ እውን ተቐመጡ። 3 ንሓድሕዶም ድማ፡ “ንዑ፡ ሕጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ነብስሎ” ተባሃሃሉ። ስለዚ፡ ሕጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ቅጥራን ከኣ ኣብ ክንዲ ጭቃ መንደቕ ተጠቕሙ። 4 ሽዑ ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ምእንቲ ኸይንብልሲ፡+ ንዑ፡ ከተማን ርእሱ ኽሳብ ሰማያት ዚበጽሕ ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ” በሉ። 5 የሆዋ ድማ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ። 6 የሆዋ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ሓደ ዝቛንቋኦም ሓደ ህዝቢ እዮም፣+ እዚ ኸኣ ኪገብሩ ጀሚሮም። ሕጂ ድማ ካብቲ ኺገብርዎ ዚህቅኑ፡ ዘይከኣሎም ኣይኪህሉን እዩ። 7 ሓደ ናይቲ ሓደ ቛንቋ ምእንቲ ኸይርድኦስ፡ ንዑ+ ናብኡ ንውረድ እሞ ቛንቋኦም ንደባልቕ” በለ። 8 የሆዋ ድማ ካብኡ ናብ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡+ ምስራሕ እታ ኸተማ እውን በብቝሩብ ገደፉ። 9 የሆዋ ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል*+ ተባህለ፣ ካብኣ ኸኣ የሆዋ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም። 10 ታሪኽ ሴም+ እዚ እዩ። ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ሴም ወዲ 100 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንኣርፋክሳድ+ ወለደ። 11 ሴም ንኣርፋክሳድ ምስ ወለደ፡ 500 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።+ 12 ኣርፋክሳድ ድማ 35 ዓመት ገበረ፣ ንሸላሕ ከኣ ወለደ።+ 13 ኣርፋክሳድ ንሸላሕ ምስ ወለደ፡ 403 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 14 ሸላሕ ድማ 30 ዓመት ገበረ፣ ንዔበር ከኣ ወለደ።+ 15 ሸላሕ ንዔበር ምስ ወለደ፡ 403 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 16 ዔበር ድማ 34 ዓመት ገበረ፣ ንፌሌግ ከኣ ወለደ።+ 17 ዔበር ንፌሌግ ምስ ወለደ፡ 430 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 18 ፌሌግ ድማ 30 ዓመት ገበረ፣ ንረጉ ኸኣ ወለደ።+ 19 ፌሌግ ንረጉ ምስ ወለደ፡ 209 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 20 ረጉ ድማ 32 ዓመት ገበረ፣ ንሴሩግ ከኣ ወለደ። 21 ረጉ ንሴሩግ ምስ ወለደ፡ 207 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 22 ሴሩግ ድማ 30 ዓመት ገበረ፣ ንናሆር ከኣ ወለደ። 23 ሴሩግ ንናሆር ምስ ወለደ፡ 200 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 24 ናሆር ድማ 29 ዓመት ገበረ፣ ንታራ ኸኣ ወለደ።+ 25 ናሆር ንታራ ምስ ወለደ፡ 119 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 26 ታራ ድማ 70 ዓመት ገበረ፣ ንኣብራምን+ ንናሆርን+ ንሃራንን ከኣ ወለደ። 27 ታሪኽ ታራ እዚ እዩ። ታራ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደ፣ ሃራን ድማ ንሎጥ+ ወለደ። 28 ሃራን ከኣ ኣቦኡ ታራ ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣብታ እተወልደላ ምድሪ ኡር+ ናይ ከለዳውያን+ ሞተ። 29 ኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ስም ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ እዩ፣+ ስም ሰበይቲ ናሆር ድማ ሚልካ፡+ ጓል ሃራን፡ ኣቦ ሚልካን ዪስካን እዩ። 30 ሳራይ ድማ መኻን ነበረት፣+ ውሉድ ከኣ ኣይነበራን። 31 ታራ ድማ ንኣብራም ወዱን ንሎጥ ወዲ ሃራን ወዲ ወዱን+ ንሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ወዱን ወሰደ፣ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኸዱ ምስኡ ወጹ።+ ናብ ካራን መጺኦም ድማ፡+ ኣብኣ ተቐመጡ። 32 ዕድመ ታራ ድማ 205 ዓመት ኰነ። ታራ ኸኣ ኣብ ካራን ሞተ። 2 በዚ ኸምዚ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ኣባታቶም ዘሎን* ተፈጸመ።+ 2 ኣምላኽ ከኣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነቲ ዚገብሮ ዝነበረ ግብሪ ፈጸሞ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ግብሩ ኺዓርፍ ጀመረ።+ 3 ኣምላኽ ከኣ ካብቲ ዝፈጠሮን ኪገብሮ ዝመደቦን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ይዓርፍ ስለ ዘሎ፡ ነታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን። 4 ታሪኽ ሰማያትን ምድርን በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ፡ ማለት በታ የሆዋ* ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝገበረላ መዓልቲ እዚ እዩ።+ 5 የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዓዪ ሰብ እውን ኣይነበረን እሞ፡ ኣብ ምድሪ ገና ቘጥቋጥ መሮር ኣይነበረን፡ ኣትክልቲ መሮር እውን ኣይበቘለን ነበረ። 6 ግናኸ፡ ግመ ኻብ ምድሪ ይልዓል፡ ንብዘሎ ገጽ ምድሪ እውን የስቲ ነበረ። 7 የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ+ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ፡+ እቲ ሰብ ከኣ ህያው ፍጡር* ኰነ።+ 8 የሆዋ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት* ተኸለ፣+ ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ።+ 9 የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ባህ ዜብልን ምብላዑ ዝጥዑምን ኵሉ ኦም ካብ ምድሪ ኣብቈለ፣ ኣብ ማእከል እታ ገነት ከኣ ኦም ህይወትን+ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ነበራ።+ 10 ነታ ገነት ዜስቲ ፈለግ ከኣ ካብ ኤደን ይውሕዝ ነበረ፣ ካብኡ ድማ ናብ ኣርባዕተ ኣፍላግ ይምቀል ነበረ።* 11 ስም እቲ ቐዳማይ ጲሶን እዩ፣ ንሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ብዘላ ምድሪ ሓዊላ ይዞራ። 12 ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ እውን ዕንዲዳ ብዶላሕን እምኒ ኦኒክስን ኣሎ። 13 ስም እቲ ኻልኣይ ፈለግ ከኣ ጊሖን እዩ፣ ንሱ ንዅላ ምድሪ ኩሽ ይዞራ። 14 ስም እቲ ሳልሳይ ፈለግ ድማ ሂዴቄል*+ እዩ፣ ንሱ ናብ ምብራቕ ኣሶር+ ኣቢሉ ዚኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ፈለግ ከኣ ኤፍራጥስ እዩ።+ 15 የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ምእንቲ ኺዓይያን ኪከናኸናን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ።+ 16 የሆዋ ኣምላኽ ድማ ንሰብ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ምብላዕካ ብላዕ።+ 17 ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ።”+ 18 የሆዋ ኣምላኽ ከኣ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን። ንዕኡ መመላእታ እትዀኖ ሓጋዚት* ክገብረሉ እየ” በለ።+ 19 የሆዋ ኣምላኽ ድማ ንዅሉ እንስሳ መሮርን ንዅሉ በራሪ ፍጡር ሰማያትን ካብ ምድሪ ይገብር ነበረ፣ እንታይ ኢሉ ኸም ዚሰምዮም ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ፡ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኦም፣ ህያው ፍጡር* ዘበለ ኸኣ ስሙ ኸምቲ እቲ ሰብኣይ ዝሰመዮ ዀነ።+ 20 እቲ ሰብኣይ ከኣ ንዅሉ እንስሳ ዘቤትን በረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ንዅሉ እንስሳ መሮርን ሰስሙ ሃቦ፣ ንሰብኣይ ግና መመላእታ እትዀኖ ሓጋዚት* ኣይነበረቶን። 21 የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣደቀሶ፣ ንሱ ደቂሱ ኸሎ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻብ መሰናግለኡ ወሲዱ፡ ኣብ ቦታኣ ስጋ መልአ። 22 የሆዋ ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብቲ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ ሰርሓ እሞ፡ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ።+ 23 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “እዚኣስ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ። ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡እዚኣ ሰበይቲ ትብሃል” በለ።+ 24 ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡* ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።+ 25 እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይቱን ድማ ክልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፣+ ግናኸ፡ ኣይሓንኩን ነበሩ። 26 ብዘይካ እቲ ብዘመን ኣብርሃም ዝዀነ ቐዳማይ ጥሜት፡+ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኰነ፣ ይስሃቅ ድማ ናብ ኣቢሜሌክ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፡ ናብ ጌራር ከደ። 2 የሆዋ ኸኣ ተራእዮ፡ ከምዚ እውን በሎ፦ “ናብ ግብጺ ኣይትውረድ። ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ። 3 ኵላ እዛ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡+ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጓና ዄንካ ተቐመጥ፣+ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን ከኣ እየ። እቲ ንኣቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ክፍጽሞ እየ።+ 4 ‘ንዘርእኻ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ከብዝሖ፡+ ኵላ እዛ ምድሪ ድማ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣+ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸኣ በረኸት ኪረኽቡ* እዮም።’+ 5 ከመይሲ፡ ኣብርሃም ቃለይ ሰሚዑ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ ዘለዎ ግዴታታትን ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግታተይን ድማ ሓልዩ እዩ።”+ 6 ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጌራር ተቐመጠ።+ 7 ሰብ እታ ቦታ ብዛዕባ ሰበይቱ ኺሓትትዎ ኸለዉ ድማ፡ “ሓብተይ እያ” ይብል ነበረ።+ ትርኢታ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ፡+ “ሰብ እዛ ቦታ እዚኣ ብሰሪ ርብቃ ኪቐትሉኒ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፡ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሀ። 8 እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ኣቢሜሌክ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ብመስኰት ኪጥምት ከሎ፡ ይስሃቅ ንሰበይቱ ርብቃ ፍቕሩ ኺገልጸላ* ኸሎ ረኣዮ።+ 9 ኣቢሜሌክ ከኣ ንይስሃቅ ጸዊዑ፡ “ብርግጽ ሰበይትኻ እያ! ስለምንታይ ደኣ፡ ‘ሓብተይ እያ’ ዝበልካ፧” በሎ። ይስሃቅ ድማ፡ “ብሰራ ኸይመውት ኢለ እየ” በሎ።+ 10 ኣቢሜሌክ ድማ፡ “እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካና፧+ ሓደ ኻብዚ ህዝቢ ብቐሊሉ ምስ ሰበይትኻ ምደቀሰ ነይሩ፣ በደልቲ ኸኣ ምገበርካና ኔርካ” በለ።+ 11 ሽዑ፡ ኣቢሜሌክ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ “ነዚ ሰብኣይ እዝን ንሰበይቱን ዝተንከየ፡ ብርግጽ ኪመውት እዩ” ኢሉ ኣዘዞ። 12 ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፣ በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ የሆዋ ስለ ዝባረኾ፡ 100 ዕጽፊ እቲ ዝዘርኦ ሓፈሰ።+ 13 እቲ ሰብኣይ ድማ ሃብተመ፡ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚህብትም ከኣ በልጸገ። 14 መጓሰ ኣባጊዕን መጓሰ ከብትን ብዙሓት ገላዉን ድማ ነበርዎ፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ቀንኡሉ። 15 ሽዑ፡ ፍልስጥኤማውያን ንዅሉ እቲ ገላዉ ኣቦኡ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዒላታት ብሓመድ ደበይዎ።+ 16 ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሃቅ፡ “ካባና ብዝያዳ ሓይልካ ኢኻ እሞ፡ ካብዚ ኸባቢና ኺድ” በሎ። 17 ይስሃቅ ከኣ ካብኡ ግዒዙ፡ ኣብ ስንጭሮ* ጌራር ሰፈረ፡+ ኣብኡ ድማ ተቐመጠ። 18 ይስሃቅ ድማ ነቲ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ፡ ፍልስጥኤማውያን ግና ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደበይዎ ዒላታት፡+ መሊሱ ዀዓቶ፣ ከምቲ ኣቦኡ ዘውጽኣሉ ስማት እውን ሰመዮ።+ 19 ገላዉ ይስሃቅ ኣብቲ ስንጭሮ* ምስ ኰዓቱ፡ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ረኸቡ። 20 ጓሶት ጌራር ድማ ምስ ጓሶት ይስሃቅ፡ “እዚ ማይና እዩ” ኢሎም ተባእሱ። ምስኡ ስለ እተባእሱ ኸኣ፡ ነታ ዒላ ዔሰቅ* ሰመያ። 21 ካልእ ዒላ ድማ ኰዓቱ፣ ብዛዕባኣ እውን ተባእሱ። ንዓኣ ኸኣ ሲጥና* ኢሉ ሰመያ። 22 ካብኡ ድማ ገዓዘ፡ ካልእ ዒላ እውን ኰዓተ፣ ብዛዕባኣ ግና ኣይተባእሱን። ስለዚ፡ “ሕጂ የሆዋ ስለ ዘርሓበልናን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስለ ዘፋረየናን እዩ” ኢሉ ረሖቦት* ኢሉ ሰመያ።+ 23 ካብኡ ኸኣ ናብ ብኤር-ሸባዕ+ ደየበ። 24 በታ ለይቲ እቲኣ ድማ፡ የሆዋ ተራእዮ እሞ፡ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ።+ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፣+ ምእንቲ ጊልያይ ኣብርሃም ኢለ ድማ ክባርኸካን ንዘርእኻ ኸብዝሖን እየ” በሎ።+ 25 ንሱ ኸኣ ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ፡ ስም የሆዋ ጸውዐ።+ ይስሃቅ ድማ ኣብኡ ድንኳኑ ተኸለ፣+ ገላዉኡ ኸኣ ኣብኡ ዒላ ዀዓቱ። 26 ኣቢሜሌክ ድማ፡ ኣሑዛት ምስ ዚብሃል ኣማኻሪኡን ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፡ ካብ ጌራር ናብኡ መጸ።+ 27 ይስሃቅ ከኣ፡ “ጸሊእኩምኒ፡ ካብ ከባቢኹም ከኣ ሰጒጕኩምኒ ኽነስኹም፡ ስለምንታይ ደኣ ናባይ መጺእኩም፧” በሎም። 28 ንሳቶም ድማ፡ “የሆዋ ምሳኻ ኸም ዘሎ ብንጹር ርኢና ኢና።+ ስለዚ፡ ከምዚ ኢልና፦ ‘ንሕናን ንስኻን በጃኻ ንማሓሓል፡ ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶ፣+ 29 እዚ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንከናካ፡ ጽቡቕ ጥራይ ከኣ ዝገበርናልካ፡ ብሰላም እውን ዘሰናበትናካ፡ ንስኻ ድማ ንዓና ኽፉእ ከይትገብረና እዩ። ሕጂ ንስኻ ናይ የሆዋ ብሩኽ ኢኻ’” በልዎ። 30 ሽዑ፡ ንሱ ድግስ ደገሰሎም እሞ፡ በልዑን ሰተዩን። 31 ንጽብሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ንሓድሕዶም ተማሓሓሉ።+ ድሕሪኡ፡ ይስሃቅ ኣሰናበቶም፡ ካብኡ እውን ብሰላም ከዱ። 32 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገላዉ ይስሃቅ መጺኦም፡ ብዛዕባ እታ ዝዀዓትዋ ዒላ፡+ “ማይ ረኺብናላ!” ኢሎም ነገርዎ። 33 ንሱ ድማ ሺብዓ ኢሉ ሰመያ። ስለዚ፡ ስም እታ ኸተማ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብኤር-ሸባዕ+ እዩ። 34 ኤሳው ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንይሁዲት ጓል ብኤሪ እቲ ሔታውን ንባስማት ጓል ኤሎን እቲ ሔታውን ኣንስቱ ኪዀናኦ ወሰደን።+ 35 ንሳተን ከኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ምንጪ ዓብዪ ጓሂ* ዀናኦም።+ 44 ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እተሸመ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ንኸረጺታት እዞም ሰባት እዚኦም ኪወስድዎ ዚኽእሉ ዘበለ ምግቢ ምልኣዮ፣ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ከከረጺቱ ኣንብር።+ 2 ነታ ጽዋአይ፡ ነታ ጽዋእ ብሩር ድማ፡ ኣብ ኣፍ ከረጺት እቲ ሕሳስ ልደ ምስቲ ንእኽሉ እተባህለ ገንዘብ ግበራ።” ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ። 3 ንግሆ ምስ በርሀ፡ ነቶም ሰባት ምስ ኣእዱጎም ሰደድዎም። 4 ካብታ ኸተማ ወጺኦም ገና ኸይረሓቑ፡ ዮሴፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እተሸመ፡ ከምዚ በሎ፦ “ተንስእ! ደድሕሪ እቶም ሰባት ስዒብካ ኣርክቦም እሞ፡ ‘ስለምንታይ ንጽቡቕ ብኽፉእ እትፈድዩ፧ 5 እታ ጐይታይ ዚሰትየላን ብእኣ ፋል ዚፈልጠላንሲ እዚኣ ደይኰነትን፧ ክፉእ ኢኹም ጌርኩም’ በሎም።” 6 ንሱ ኸኣ ኣርከቦም፡ ነዚ ዘረባ እዚ ድማ ተዛረቦም። 7 ንሳቶም ግና፡ “ስለምንታይ ጐይታይ ከምኡ ኢሉ ይዛረብ፧ ገላዉኻ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኪገብሩስ ዘይሕሰብ እዩ። 8 እቲ ኣብ ኣፍ ከረጺታትና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ ኻብ ምድሪ ከነኣን መሊስናልካ።+ ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ፧ 9 ካብ ባሮትካ እቲ እተረኽበቶ ይሙት፡ ዝተረፍና ኸኣ ባሮት ጐይታይ ንኹን” በልዎ። 10 ንሱ ኸኣ፡ “ከም ዝበልኩምዎ ይኹን፦ እቲ እተረኽበቶ ባርያይ ኪኸውን እዩ፣ ዝተረፍኩም ግና ንጹሃት ትዀኑ” በሎም። 11 ቀልጢፎም ድማ ነፍሲ ወከፎም ከከረጺቶም ናብ ምድሪ ኣውሪዶም ከፈቱ። 12 ንሱ ኸኣ ካብቲ ዓብዪ ጀሚሩ ኣብቲ ንእሽቶ ኽሳዕ ዚውድእ ኣጸቢቑ ጐርጐሮም። እታ ጽዋእ ድማ ኣብ ከረጺት ብንያም ተረኽበት።+ 13 ሽዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣኣድጎም ጽዒኖም ድማ ናብታ ኸተማ ተመልሱ። 14 ይሁዳን+ ኣሕዋቱን ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ምስ ኣተዉ፡ ንሱ ገና ኣብኣ ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ናብ ምድሪ ተደፍኡ።+ 15 ዮሴፍ ከኣ፡ “እዚ ዝገበርኩምዎ እንታይ ግብሩ እዩ፧ ከማይ ዝበለ ሰብኣይሲ ፋል ከም ዚፈልጥ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧” በሎም።+ 16 ይሁዳ ድማ፡ “ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ እንታይሲ ኽንዛረብ ንኽእል፧ ከመይ ጌርናኸ ርእስና ኸነጽድቕ ንኽእል፧ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስሕተት ባሮትካ ረኺቡ ኣሎ።+ እነና ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶን ባሮት ጐይታይ ኢና” በለ። 17 ንሱ ግና፡ “ከምዚ ኽገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶ ሰብ፡ ንሱ ባርያይ ኪኸውን እዩ።+ ዝተረፍኩም ግና ናብ ኣቦኹም ብሰላም ደይቡ” በሎም። 18 ሽዑ፡ ይሁዳ ናብኡ ቐሪቡ ኸምዚ በለ፦ “ጐይታይ፡ እልምነካ ኣለኹ፡ በጃኻ ባርያኻ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ይዛረብ፣ ንስኻ ኸም ፈርኦን ኢኻ እሞ፡+ ንባርያኻ ኣይትቈጥዓዮ። 19 ጐይታይ ንባሮቱ፡ ‘ኣቦ ወይ ሓው ኣሎኩምዶ፧’ ኢሉ ሓተቶም። 20 ንሕና ኸኣ ንጐይታይ፡ ‘ዝኣረገ ኣቦን ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ሕሳስ ልደን ኣለዉና።+ ሓዉ ግና ሞይቱ እዩ፣+ እዚ ኸኣ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉ እዩ፣+ ኣቦኡ ድማ ይፈትዎ እዩ’ በልናዮ። 21 ድሕርዚ፡ ንስኻ ንባሮትካ፡ ‘ምእንቲ ኽርእዮስ ናባይ ኣውርድዎ’ በልካዮም።+ 22 ንሕና ግና ንጐይታይ፡ ‘እቲ ወዲ እቲ ኻብ ኣቦኡ ኺፍለ ኣይክእልን እዩ። ካብኡ እንተ ተፈልዩ፡ ኣቦኡ ብርግጽ ኪመውት እዩ’ በልናዮ።+ 23 ንስኻ ድማ ንባሮትካ፡ ‘እቲ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይወሪዱ፡ ደጊም ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም’ በልካዮም።+ 24 “ንሕና ኸኣ ናብ ባርያኻ ኣቦይ ደየብና፡ ዘረባ ጐይታይ ድማ ነገርናዮ። 25 ጸኒሑ፡ ኣቦና፡ ‘ተመሊስኩም ሒደት ምግቢ ዓድጉልና’ በለና።+ 26 ንሕና ግና፡ ‘ክንወርድ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ሕሳስ ልደ ሓውና ምሳና እንተ ዘየልዩ፡ ገጽ እቲ ሰብኣይ እቲ ኽንርኢ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ እዚ ሕሳስ ልደ ሓውና ምሳና እንተ ኣልዩ፡ ክንወርድ ኢና’ በልናዮ።+ 27 ሽዑ፡ ባርያኻ ኣቦይ፡ ‘ሰበይተይ ክልተ ኣወዳት ጥራይ ከም ዝወለደትለይ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 28 እቲ ሓደ ድማ ካባይ ወጸ፡ ኣነ ኸኣ፡ “ብርግጽ ተበሊዑ ኪኸውን ኣለዎ” በልኩ፣+ ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣይረኣኽዎን። 29 ነዚ ኸኣ ካብ ቅድሚ ዓይነይ እንተ ወሲድኩምዎ እሞ፡ ድንገት እንተ ረኺብዎ፡ ብርግጽ ንሽበተይ ብመዓት ናብ መቓብር*+ ከተውርድዎ ኢኹም’ በለና።+ 30 “ሕጂ ኸኣ ነቲ ወዲ ኸይተማላእና ናብ ባርያኻ ኣቦይ እንተ ተመሊሰ፡ ህይወቱ* ምስ ህይወት* እዚ ስለ እተኣስረት፡ 31 ሽዑ እዚ ወዲ እዚ ኸም ዘየሎ ርእይ ምስ ኣበለ፡ ኪመውት እዩ፣ ባሮትካ ድማ ንሽበት ባርያኻ ኣቦና ብጓሂ ናብ መቓብር* ኬውርድዎ እዮም። 32 ባርያኻ ነዚ ወዲ እዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ፡ ‘ናባኻ እንተ ዘየምጺአዮ፡ ንሓዋሩ ኸም ዝበደልኩኻ እኸውን’ ኢሉ ተዋሒስዎ እዩ።+ 33 ሕጂ በጃኻ፡ እዚ ወዲ እዚ ምስ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኺድይብ፡ ባርያኻ ኣብ ክንዲ እዚ ወዲ እዚ፡ ባርያ ጐይታይ ኰይኑ ይጽናሕ። 34 እዚ ወዲ እዚ ምሳይ ከየሎ፡ ከመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል፧ እዚ መዓት እዚ ኣብ ኣቦይ ኪወርድ ከሎስ ክርኢ ኣይክእልን እየ!” 4 ኣዳም ድማ ምስ ሰበይቱ ሄዋን ጾታዊ ርክብ ገበረ፡ ንሳ እውን ጠነሰት።+ ንቃየል+ ምስ ወለደት ከኣ፡ “ብረድኤት የሆዋ ወዲ ወሊደ” በለት። 2 ጸኒሓ፡ ንሓዉ ኣቤል+ ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ ኰነ፣ ቃየል ከኣ ሓረስታይ ምድሪ ዀነ። 3 ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ቃየል ካብ ፍረታት ምድሪ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣምጽአ። 4 ኣቤል ከኣ ካብ በዅራት መጓሰኡን+ ካብ ስብሐንን ኣምጽአ። የሆዋ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ብሞገስ ረኣየ፣+ 5 ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ብሞገስ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ተቘጥዐን ጐሃየን።* 6 የሆዋ ኸኣ ንቃየል፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኣመና እተቘጣዕካን ዝጐሃኻን፧ 7 ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ትምለስሲ፡ ሞገስዶ ኣይምረኸብካን፧* ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ዘይተመሊስካ ግና፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፣ ሃረርታኣ ኸኣ ኪዕብልለካ ይብል ኣሎ። ግናኸ፡ ክትመልካ ዲኻ፧” በሎ። 8 ድሕሪኡ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል፡ “ናብ መሮር ንኺድ” በሎ። ኣብ መሮር ከለዉ ኸኣ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ኣጥቅዖ፡ ቀተሎ ድማ።+ 9 የሆዋ ኸኣ ንቃየል፡ “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣይፈልጥን። ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧” በለ። 10 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧ ስማዕ፡ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።+ 11 ሕጂ ድማ ካብዛ ደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ እተሰጐጕካ ርጉም ኩን።+ 12 ንምድሪ ምስ እትሓርሳ፡ መሊሳ ፍሪኣ* ኣይክትህበካን እያ። ኣብ ምድሪ ዀብላልን ቀባሕባሓይን ኩን” በሎ። 13 ቃየል ከኣ ንየሆዋ፡ “መቕጻዕቲ በደለይ ክጾሮ ዘይክእል ዓብዪ እዩ። 14 ሎሚ ኻብዛ ምድሪ እዚኣ* ትሰጕጐኒ ኣለኻ፡ ኣነ እውን ካብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፣ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ እውን ብርግጽ ኪቐትለኒ እዩ” በሎ። 15 የሆዋ ድማ፡ “እምበኣር፡ ንቃየል ዝቐተለ ዘበለ፡ ሸውዓተ ዕጽፊ ሕነ ኺፍደዮ እዩ” በለ። ዝረኸቦ ዘበለ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ የሆዋ ንቃየል ምልክት ገበረሉ። 16 ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ የሆዋ ኸደ፡ ኣብ ምድሪ ስደት* ከኣ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ኤደን ተቐመጠ።+ 17 ድሕሪኡ፡ ቃየል ምስ ሰበይቱ ጾታዊ ርክብ ገበረ፡+ ንሳ እውን ጠኒሳ፡ ንሄኖክ ወለደት። ከተማ ኸኣ ኪሰርሕ ጀመረ እሞ፡ ነታ ኸተማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኢሉ ሰመያ። 18 ንሄኖክ ከኣ ዒራድ ተወልደሉ። ዒራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ፣ ሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደ፣ ሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። 19 ላሜክ ከኣ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ። ስም እታ ቐዳመይቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ጺላ ነበረ። 20 ዓዳ ኸኣ ንያባል ወለደት። ንሱ ድማ መስራቲ እቶም ኣብ ድንኳናት ዚቕመጡን ማል ዘለዋኦምን ኰነ። 21 ስም ሓዉ ኸኣ ዩባል እዩ። ንሱ ድማ መስራቲ እቶም ተጻወትቲ መሰንቆን* እምብልታን* ኰነ። 22 ጺላ ኸኣ ነቲ ኻብ ነሓስን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት ናውቲ ዚሓጕድ ቱባል-ቃይን ወለደት። ሓብቲ ቱባል-ቃይን ከኣ ናዓማ እያ። 23 ላሜክ ድማ ንኣንስቱ ዓዳን ጺላን ከምዚ በለን፦ “ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ቃለይ ስምዓ፣ናብ ዘረባይ ጽን በላ፦ ስለ ዘቝሰለኒ፡ ሰብኣይ፡ስለ ዝወቕዓኒ ድማ፡ ጐበዝ ቀተልኩ። 24 ንቃየል 7 ዕጽፊ ሕነ እንተ ተፈድዩሉስ፡+ንላሜክ ከኣ 77 ዕጽፊ።” 25 ኣዳም ከኣ መሊሱ ምስ ሰበይቱ ጾታዊ ርክብ ገበረ፡ ንሳ እውን ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ዘርኢ ተኪኡለይ”+ ኢላ ስሙ ሴት*+ ኣውጽኣትሉ። 26 ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ፡ ንሱ እውን ሄኖስ+ ኢሉ ሰመዮ። ሽዑ፡ ሰባት፡ ስም የሆዋ ኺጽውዑ ጀመሩ። 41 ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ፈርኦን ሓለመ፣+ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ደው ኢሉ ነበረ። 2 ካብቲ ፈለግ ከኣ ሸውዓተ ጽቡቕ ዝትርኢተን ስቡሓት ኣሓ ወጺአን፡ ኣብቲ ሳዕሪ ኒል ይበልዓ ነበራ።+ 3 ድሕሪአን ድማ ካልኦት ሸውዓተ ኽፉእ ዝትርኢተን ዓባሩ ኣሓ ወጺአን፡ ኣብ ጥቓ እተን ኣብ ገምገም ኒል ዝነበራ ስቡሓት ኣሓ ደው በላ። 4 እተን ክፉእ ዝትርኢተን ዓባሩ ኣሓ ኸኣ ነተን ሸውዓተ ጽቡቕ ዝትርኢተን ስቡሓት ኣሓ በልዓአን። ሽዑ፡ ፈርኦን ተበራበረ። 5 ተመሊሱ ድማ ደቀሰ፡ ካልኣይ ሳዕ እውን ሓለመ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሸውዓተ ምሉኣትን ጽቡቓትን ጉምቦ ሰዊት ነበራ።+ 6 ድሕሪአን ድማ ሸውዓተ ቐጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን ጉምቦ ሰዊት ወጻ። 7 እተን ቀጠንቲ ጉምቦ ሰዊት ከኣ ነተን ሸውዓተ ምሉኣትን ጽቡቓትን ጉምቦ ሰዊት ወሓጣአን። ሽዑ፡ ፈርኦን ተበራበረ፡ ሕልሚ ምዃኑ እውን ፈለጠ። 8 ምስ ነግሀ ግና፡ መንፈሱ ተናወጸ። ሽዑ፡ ልኢኹ ንዅሎም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ግብጽን ንዅሎም ጥበበኛታታን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮም። ንፈርኦን ኪትርጕመሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን። 9 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ሎሚ ሓጢኣተይ ክናዘዝ። 10 ፈርኦን ብገላዉኡ ተቘጢዑ ነበረ። ንዓይን ንሓለቓ ሰንከትትን ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣእተወና።+ 11 ድሕሪኡ፡ ነፍሲ ወከፍና ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሓለምና፣ ኣነን ንሱን በበይኑ ዝትርጉሙ ሕልሚ ሓለምና።+ 12 ኣብኡ ድማ ሓደ እብራዊ ጐበዝ፡ ጊልያ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ምሳና ነበረ።+ ንዕኡ ምስ ነገርናዮ፡+ ሐሕልምና ተርጐመልና። 13 ልክዕ ከምቲ ዝተርጐመልና ኸኣ ኰነ። ኣነ ናብ ሽመተይ ተመለስኩ፡ እቲ ሓደ ግና ተሰቕለ።”+ 14 ሽዑ፡ ፈርኦን ንዮሴፍ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ* ቐልጢፎም ኬውጽእዎ ለኣኸሉ።+ ንሱ ኸኣ ተላጽዩ፡ ክዳኑ ለዊጡ ናብ ፈርኦን ከደ። 15 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ሕልሚ ሓሊመ፣ ዚትርጕሞ ግና የልቦን። ሕልሚ ሰሚዕካ ኸም እትትርጕም ከኣ ብዛዕባኻ ኺዝረብ ሰሚዐ” በሎ።+ 16 ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን፡ “እዚ ኻባይ ኣይኰነን። ኣምላኽ ደኣ ብዛዕባ ድሕንነት ፈርኦን ኪዛረብ ኢሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 17 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ብሕልመይ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ደው ኢለ ነበርኩ። 18 ካብ ኒል ከኣ ሸውዓተ ጽቡቕ ዝትርኢተን ስቡሓት ኣሓ ወጺአን፡ ኣብቲ ሳዕሪ ኒል ይበልዓ ነበራ።+ 19 ድሕሪአን ድማ ካልኦት ሸውዓተ ዝማሰናን ክፉእ ዝትርኢተንን ዓባሩን ኣሓ ወጻ። ከማታተን ዝምኽፋአን ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ እኳ ኣይረኣኹን። 20 እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሸውዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ በልዓአን። 21 ምስ በልዓአን ግና፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣት ስለ ዝነበራ፡ ከምኡ ኸም ዝገበራ ኣይተፈልጠን። ሽዑ፡ ተበራበርኩ። 22 “ድሕርዚ፡ ብሕልመይ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሸውዓተ ምሉኣትን ጽቡቓትን ጉምቦ ሰዊት ኪወጻ ረኣኹ።+ 23 ድሕሪአን ድማ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን ሸውዓተ ጉምቦ ሰዊት ወጻ። 24 እተን ቀጠንቲ ጉምቦ ሰዊት ከኣ ነተን ሸውዓተ ጽቡቓት ጉምቦ ሰዊት ወሓጣአን። እዚ ኸኣ ነቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ነገርክዎም፡+ ኪገልጸለይ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።”+ 25 ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን ከምዚ በሎ፦ “ሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብር ንፈርኦን ነጊርዎ ኣሎ።+ 26 እተን ሸውዓተ ጽቡቓት ኣሓ፡ ሸውዓተ ዓመት እየን። እተን ሸውዓተ ጽቡቓት ጉምቦ ሰዊት እውን፡ ሸውዓተ ዓመት እየን። እቲ ሕልሚ ሓደ እዩ። 27 እተን ድሕሪአን ዝወጻ ሸውዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ፡ ሸውዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸልን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን ሸውዓተ ጉምቦ ሰዊት እውን፡ ሸውዓተ ዓመት ኪዀና እየን። 28 እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩ፦ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብር ንፈርኦን ኣርእይዎ ኣሎ። 29 “ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝዀነለን ሸውዓተ ዓመት ኪመጻ እየን። 30 ብድሕሪአን ግና ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ብርግጽ ኪመጻ እየን፣ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ጽጋብ ድማ ብርግጽ ኪርሳዕ እዩ፡ እታ ምድሪ እውን ብጥሜት ክትውዳእ እያ።+ 31 እቲ ድሒሩ ዚመጽእ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዚብርትዕ፡ ካብኡ እተላዕለ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ጽጋብ ኣይኪዝከርን እዩ። 32 ፈርኦን ነቲ ሕልሚ ኽልተ ሳዕ ምሕላሙ፡ እቲ ነገር በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝጸንዐ እዩ፣ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ቀልጢፉ ኺገብሮ እዩ። 33 “ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ። 34 ፈርኦን ከኣ ስጕምቲ ይውሰድ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ሓለፍቲ* ይሽም፣ በተን ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ ድማ ካብ ፍርያት ግብጺ ሓምሻይ ኣፍ ይኣክብ።+ 35 ኣብተን ዚመጻ ሰናይ ዓመታት ከኣ፡ ኵሉ ምግቢ ይኣክቡ፣ ነቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማታት ይደልብዎን ይሓልውዎን።+ 36 እታ ምድሪ ብጥሜት ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ እቲ ምግቢ ነቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጽእ ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ቀለብ ኪኸውን እዩ።”+ 37 ፈርኦንን ገላዉኡን ነዚ እማመ እዚ ጽቡቕ ኰይኑ ረኸብዎ። 38 ስለዚ፡ ፈርኦን ንገላዉኡ፡ “ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ኪርከብ ይከኣልዶ፧” በሎም። 39 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ጥበበኛን የልቦን። 40 ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ክትከውን ኢኻ፣ ኵሉ ህዝበይ ድማ ፈጺሙ ኺእዘዘካ እዩ።+ ኣነ ንጉስ ብምዃነይ* ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዓቢ” በሎ። 41 ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ፡ “ርአ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ እሸመካ ኣለኹ” በሎ።+ 42 ሽዑ፡ ፈርኦን ቀለቤት ማሕተሙ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉ፡ ቅጭን በፍታ ድማ ከደኖ፡ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ። 43 ኣብታ ኻልአይቲ ሰረገላ ኽብሪ ድማ ኣወጥሖ፣ ቀቅድሚኡ ኸኣ፡ “ኣብረኽ!”* ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ሸሞ። 44 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ኣነ ፈርኦን እየ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ብዘይ ፍቓድካ ዋላ ሓደ ሰብ ሓንቲ እኳ ኣይግበር”* በሎ።+ 45 ድሕርዚ፡ ፈርኦን ንዮሴፍ፡ ጻፍናት-ጳዕናሕ ኢሉ ስም ኣውጽኣሉ፣ ኣሰናት+ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን* ድማ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃቦ። ዮሴፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ሓላፊ ዀነ።*+ 46 ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኪቐውም ከሎ፡* ወዲ 30 ዓመት ነበረ።+ ሽዑ፡ ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ፡ ንዅላ ምድሪ ግብጺ ዞራ። 47 እታ ምድሪ ድማ፡ በተን ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ* ኣፍረየት። 48 ካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ኵሉ ምግቢ እተን ናይተን ሸውዓተ ዓመት ኣከበ፡ ነቲ ምግቢ እውን ኣብ ከተማታት ደለቦ። ኣብ ከከተማኡ ድማ ካብቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ግራውቲ ምግቢ ኣከበ። 49 ዮሴፍ ከኣ፡ እቲ እኽሊ ኺስፈር ዘይከኣል ብምንባሩ፡ ምስፋሩ ኽሳዕ ዚሓድግዎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ ይድልብ ነበረ። 50 ዓመት ጥሜት ቅድሚ ምምጻኣ፡ ንዮሴፍ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ፣+ ንሳቶም ከኣ ኣሰናት ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን* ዝወለደትሉ እዮም። 51 ዮሴፍ ድማ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ሽግረይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ” ኢሉ ነቲ በዅሪ ስሙ ምናሴ* ኣውጽኣሉ።+ 52 ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ “ኣምላኽ ኣብ ምድሪ መከራይ+ ኣፍርዩኒ” ኢሉ ስሙ ኤፍሬም* ኣውጽኣሉ።+ 53 እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሸውዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሓለፋ።+ 54 ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ጀመራ።+ ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ።+ 55 ኵላ ምድሪ ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዐ።+ ሽዑ፡ ፈርኦን ንዅሎም ግብጻውያን፡ “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” በሎም።+ 56 ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰይኑ ነበረ።+ እቲ ጥሜት ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ በርትዐ። ዮሴፍ ድማ ኵሉ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ማዕከናት እናኸፈተ፡ ንግብጻውያን ኪሸጠሎም ጀመረ።+ 57 እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኪሽምቱ ኢሎም ካብ ኵላ ምድሪ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።+ 46 እስራኤል ድማ ዘለዎ ዅሉ* ሒዙ ነቐለ። ኣብ ብኤር-ሸባዕ+ ምስ በጽሐ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሰውአ።+ 2 ኣምላኽ ከኣ ንእስራኤል ተዛረቦ፣ ብራእይ ለይቲ እውን፡ “ያእቆብ፡ ያእቆብ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በለ። 3 ንሱ ድማ፡ “ኣነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ እየ።+ ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ንምውራድ ኣይትፍራህ።+ 4 ኣነ ባዕለይ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ፣ ኣነ ባዕለይ ድማ ካብኡ ኸደይበካ እየ።+ ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ”* በሎ።+ 5 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ካብ ብኤር-ሸባዕ ነቐለ፣ ደቂ እስራኤል ከኣ ንኣቦኦም ያእቆብን ንቘልዑኦምን ንኣንስቶምን በቲ ኺመጹሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣግዓዙ። 6 ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘጥረይዎ ዅሉ መጓሰኦምን ጥሪቶምን እውን ተማልኡ። ያእቆብን ኵሉ ዘርኡን ከኣ ናብ ግብጺ መጹ። 7 ንሱ ድማ ንደቁን ንደቂ ደቁን፡ ንኣዋልዱን ንኣዋልድ ደቁን፡ ኰታስ ንዅሎም ዘርኡ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽአ። 8 እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል፡ ያእቆብን ደቁን፡ ስማቶም እዚ እዩ፦+ በዅሪ ያእቆብ ሮቤል።+ 9 ደቂ ሮቤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን።+ 10 ደቂ ስምኦን፡+ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል+ ወዲ እታ ከነኣናዊትን። 11 ደቂ ሌዊ፡+ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን።+ 12 ደቂ ይሁዳ፡+ ዔርን ኦናንን ሸላሕን+ ፋሬስን+ ዜራሕን።+ ዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ።+ ደቂ ፋሬስ፡ ሔጽሮንን ሓሙልን።+ 13 ደቂ ይሳኮር፡ ቶላዕን ፉዋን ዮብን ሺምሮንን።+ 14 ደቂ ዛብሎን፡+ ሰረድን ኤሎንን ያሕልኤልን።+ 15 እዚኣቶምን ጓሉ ዲናን፡+ ልያ ንያእቆብ ኣብ ጳዳን-ኣራም ዝወለደትሉ ደቂ እዮም። ኵሎም ደቁን ኣዋልዱን* 33 እዮም። 16 ደቂ ጋድ፡+ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጽቦንን ዔሪን ኣሮዲን ኣርኤሊን።+ 17 ደቂ ኣሴር፡+ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን በሪዓን ሓብቶም ሴራሕን። ደቂ በሪዓ፡ ሔበርን ማልኪኤልን።+ 18 እዚኣቶም ደቂ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሃባ ዚልጳ እዮም።+ ንሳ ንያእቆብ፡ ነዚኣቶም ወለደትሉ፦ ኵላቶም 16 ሰባት* እዮም። 19 ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ፡ ዮሴፍን+ ብንያምን።+ 20 ንዮሴፍ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱሉ፡ ኣሰናት+ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን* ዝወለደትሉ፡ ምናሴን+ ኤፍሬምን።+ 21 ደቂ ብንያም፡+ ቤላዕን ቤከርን ኣሽቤልን ጌራን+ ንእማንን ኤሒን ሮሽን ሙጲምን ሑጲምን+ ኣርድን።+ 22 እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኵላቶም 14 ሰባት* እዮም። 23 ወዲ* ዳን፡+ ሑሺም።+ 24 ደቂ ንፍታሌም፡+ ያሕጽኤልን ጉኒን የጸርን ሺሌምን።+ 25 እዚኣቶም ደቂ እታ ላባን ንጓሉ ራሄል ዝሃባ ቢልሃ እዮም። ንሳ ንያእቆብ፡ ነዚኣቶም ወለደትሉ፦ ኵላቶም ሸውዓተ ሰባት* እዮም። 26 ኵሎም እቶም ካብ ያእቆብ እተወልዱ ናብ ግብጺ ዝኸዱ ሰባት፡* ብዘይካ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ 66 ነበሩ።+ 27 ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ* ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝመጹ ዅሎም ሰባት* ቤት ያእቆብ 70 ነበሩ።+ 28 ያእቆብ፡ ናብ ጎሼን ይጕዓዝ ከም ዘሎ፡ ኣቐዲሙ ኸይዱ ንዮሴፍ ኪነግሮ ኢሉ ንይሁዳ ለኣኾ።+ ናብ ምድሪ ጎሼን ምስ መጹ፡+ 29 ዮሴፍ ሰረገላኡ ኣጽዒኑ፡ ንኣቦኡ እስራኤል ኣብ ጎሼን ኪቕበሎ ደየበ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሓቚፍዎ* ንንውሕ ዝበለ ግዜ በኸየ። 30 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ “ገና ብህይወት ከም ዘለኻ፡ ገጽካ ኻብ ረኣኹ፡ ሕጅስ እሙት” በሎ። 31 ሽዑ፡ ዮሴፍ ንኣሕዋቱን ንቤተ ሰብ ኣቦኡን ከምዚ በሎም፦ “ናብ ፈርኦን+ ደዪበ፡ ‘ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤተ ሰብ ኣቦይን ናባይ መጺኦም ኣለዉ።+ 32 እዞም ሰባት እዚኦም ጓሶትን+ ሰብ ማልን+ እዮም፣ ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ዘለዎም ኵሉን ድማ ኣምጺኦም ኣለዉ’ ኢለ ኽነግሮ እየ።+ 33 ፈርኦን ጸዊዑ፡ ‘ስራሕኩም እንታይ እዩ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኩም፡ 34 ጓሳ ኣባጊዕ ዘበለ ኣብ ግብጻውያን ፍንፉን እዩ እሞ፡+ ኣብ ምድሪ ጎሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስ፡+ ‘ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢና’+ በሉ።” 37 ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ጓና ዀይኑ ዚነብረላ ዝነበረ ምድሪ ከነኣን ተቐመጠ።+ 2 ታሪኽ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍ+ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ምስ ኰነ፡ ምስ ደቂ ቢልሃን+ ደቂ ዚልጳን+ ኣንስቲ ኣቦኡ መጓሰ ይጓሲ ነበረ።+ ዮሴፍ ከኣ ብዛዕባኦም ክፉእ ወረ ንኣቦኦም የምጽኣሉ ነበረ። 3 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ ኣብ እርጋኑ ስለ ዝወለዶ፡ ሓለፋ ዅሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ፣+ ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ድማ ኣስርሓሉ። 4 እቶም ኣሕዋቱ፡ ኣቦኦም ሓለፋ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸም ዚፈትዎ ምስ ረኣዩ፡ ኪጸልእዎ ጀመሩ፣ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን። 5 ዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሓለመ፡ ንኣሕዋቱ ድማ ነገሮም፣+ ንሳቶም ከኣ ተወሳኺ መጽልኢ ረኸቡሉ። 6 ንሱ ድማ፡ “በጃኹም ዝሓለምክዎ ሕልሚ ስምዑ። 7 እንሆ፡ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ኽንኣስር ከለና፡ እንዳእተይ ተንሲኣ ትኽ በለት፣ እንዳእትታትኩም ከኣ ንእንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ” በሎም።+ 8 ሽዑ፡ ኣሕዋቱ፡ “ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስን ክትገዝኣናን ኢኻ፧” በልዎ።+ ብምኽንያት ሕልምታቱን ዘረባኡን ከኣ፡ ካልእ መጽልኢ ረኸቡሉ። 9 ካልእ ሕልሚ ድማ ሓለመ፡ ንኣሕዋቱ ኸኣ፡ “ካልእ ሕልሚ ሓሊመ። ጸሓይን ወርሕን 11 ኸዋኽብትን ይሰግዱለይ ነበሩ” ኢሉ ነገሮም።+ 10 ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ድማ ነገሮም፣ ኣቦኡ ኸኣ፡ “እዚ ዝሓለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፧ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ናብ ምድሪ ተደፊእና ኽንሰግደልካ ኢና፧” ኢሉ ገንሖ። 11 ኣሕዋቱ ኸኣ መሊሶም ቀንኡሉ፣+ ኣቦኡ ግና ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ የዋህልሎ ነበረ። 12 ኣሕዋቱ ድማ ንመጓሰ ኣቦኦም ኬብልዑ ናብ ጥቓ ሴኬም ከዱ።+ 13 ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ እስራኤል ንዮሴፍ፡ “ኣሕዋትካ ኣብ ጥቓ ሴኬም ይጓስዩዶ የለዉን፧ ንዓ፡ ናባታቶም ክሰድደካ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በሎ። 14 ንሱ ድማ፡ “በጃኻ ኼድካ ኣሕዋትካ ደሓን እንተ ኣለዉ ርአ። እተን መጓሰ ኸመይ ከም ዘለዋ ኸኣ ርአ፡ ደሃይ ድማ ሒዝካለይ ተመለስ” በሎ። ካብ ስንጭሮ* ኬብሮን ከኣ ለኣኾ፣+ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ገጹ ኸደ። 15 ኣብ መሮር ኰለል ኪብል ከሎ፡ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “እንታይ ትደሊ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 16 ንሱ ድማ፡ “ኣሕዋተይ እደሊ ኣለኹ። ኣበይ ይጓስዩ ኸም ዘለዉ እንዶ በጃኻ ንገረኒ፧” በለ። 17 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “‘ናብ ዶታን ንኺድ’ ኪብሉ ሰሚዐዮም ነይረ እየ እሞ፡ ካብዝስ ከይዶም እዮም” በለ። ዮሴፍ ድማ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፡ ኣብ ዶታን ረኸቦም። 18 ንሳቶም ከኣ ካብ ርሑቕ ረኣይዎ፣ ኣባታቶም ከይበጽሐ ኸሎ ድማ፡ ኪቐትልዎ ተተናዀሉ። 19 ንሓድሕዶም ከኣ፡ “እቲ ሓላሚ እንሆ ይመጽእ ኣሎ።+ 20 ሕጂ ኸኣ ንዑ ንቕተሎ እሞ ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ጕድጓድ ማይ ንደርብዮ፣ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ ድማ ንበል። ሽዑ፡ እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዚኸውን ክንርኢ ኢና” ተባሃሃሉ። 21 ሮቤል+ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ካብ ኢዶም ኬናግፎ ፈተነ። “ህይወቱ ኣይነጥፍእ”* ድማ በለ።+ 22 ሮቤል ከኣ፡ “ደም ኣይተፍስሱ።+ ኣብዚ በረኻ እዚ ኣብ ዘሎ ጕድጓድ ማይ ደርብይዎ እምበር፡ ኣይትጕድእዎ”* በሎም።+ ከመይሲ፡ ካብ ኢዶም ኣናጊፉ ናብ ኣቦኡ ኺመልሶ ኢሉ ነበረ። 23 ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ መጸ፡ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ቀንጠጥዎ።+ 24 ድሕሪኡ፡ ወሲዶም ናብ ጕድጓድ ማይ ደርበይዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ጕድጓድ ጥራዩ ነበረ፡ ማይ እውን ኣይነበሮን። 25 እንጌራ ኺበልዑ ድማ ተቐመጡ። ኣዒንቶም ምስ ኣልዓሉ፡ እስማኤላውያን+ ቃፍላይ ካብ ጊልዓድ ኪመጹ ረኣዩ። እተን ኣግማሎም ከኣ ምዑዝ ዕንዲዳን በለሳንን ዕንዲዳዊ ቕላጥን ተጻዒነን ነበራ፣+ ናብ ግብጺ ድማ ይወርዱ ነበሩ። 26 ይሁዳ ኸኣ ንኣሕዋቱ፡ “ንሓውና ቐቲልና ደሙ እንተ ሓቢእናስ፡ እንታይ ረብሓ ኽንረክብ ኢና፧+ 27 ንዑ ግዳ ናብዞም እስማኤላውያን ንሽጦ፣+ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፡ ኢድና ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን” በሎም። ንሳቶም ድማ ንሓዎም ሰምዕዎ። 28 እቶም ሚድያናውያን+ ነጋዶ ኺሓልፉ ኸለዉ፡ ንዮሴፍ ካብቲ ጕድጓድ ማይ ኣውጺኦም፡ ብ20 ብሩር ንእስማኤላውያን ሸጥዎ።+ ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ። 29 ጸኒሑ፡ ሮቤል ናብቲ ጕድጓድ ማይ ምስ ተመልሰ እሞ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ጕድጓድ ማይ ከም ዘየሎ ምስ ረኣየ፡ ክዳኑ ቐደደ። 30 ናብ ኣሕዋቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ “እቲ ቘልዓ የሎን! ኣነ ደኣ እንታይ እየ ዝገብሮ፧” በለ። 31 ንሳቶም ከኣ ነቲ ወለል ዚብል ክዳን ዮሴፍ ወሲዶም፡ ወጠጦ ሓሪዶም ነቲ ኽዳን ኣብቲ ደም ኣጥለቕዎ። 32 ድሕሪኡ፡ ነቲ ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ናብ ኣቦኦም ሰዲዶም፡ “እዚ ረኺብና። ክዳን ወድኻ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ እስከ መርምር” በልዎ።+ 33 ንሱ ምስ መርመሮ ኸኣ፡ “እዚ ኽዳን ወደይ እዩ! ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ ኪኸውን ኣለዎ! ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ!” በለ። 34 ሽዑ፡ ያእቆብ ክዳኑ ቐዲዱ፡ ኣብ ሕቘኡ ማቕ ተዓጢቑ፡ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነ። 35 ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ይፍትኑ ነበሩ፣ ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየ፡ “ብወደይ እናሓዘንኩ ናብ መቓብር* ክወርድ እየ!”+ ድማ ይብል ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ይበኽየሉ ነበረ። 36 እቶም ሚድያናውያን ድማ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ጶጢፋር እቲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ፈርኦንን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታትን+ ሸጥዎ። 40 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ እቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ መስተን+ እቲ ሰንካትን ንጐይታኦም ንጉስ ግብጺ በደሉ። 2 ፈርኦን ድማ በቶም ክልተ ሰበ ስልጣኑ፡ ማለት በቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን+ በቲ ሓለቓ ሰንከትትን ተቘጥዐ፣ 3 ኣብ ቤት እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ኪእሰሩ፡+ ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ ቦታ ኣእተዎም።+ 4 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንዮሴፍ ምሳታቶም ኪኸውንን ኬገልግሎምን መደቦ፣+ ንገለ እዋን* ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸንሑ። 5 እቶም ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ መስተን ሰንካትን ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝትርጉሙ ሕልሚ ሓለሙ። 6 ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ዮሴፍ መጺኡ ምስ ረኣዮም፡ ጕህዮም ነበሩ። 7 ስለዚ፡ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ፈርኦን፡ “ስለምንታይ እዩ ሎሚ ገጽኩም ጸምልዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። 8 ንሳቶም ድማ፡ “ሕልሚ ሓሊምና፡ ዚትርጕመልና ግና የልቦን” በልዎ። ዮሴፍ ከኣ፡ “ትርጉም ናይ ኣምላኽ ደይኰነን፧+ በጃኹም ሕልምኹም ንገሩኒ” በሎም። 9 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ንዮሴፍ ከምዚ ኢሉ ሕልሙ ነገሮ፦ “ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ተኽሊ ወይኒ ነበረት። 10 ኣብታ ተኽሊ ወይኒ ድማ ሰለስተ ውልዶታት ነበረ፣ ንሱ ኺጥጥዕ ከሎ ድማ፡ ዓምቢቡ ኣብ ዘለላኡ ብሱል ወይኒ ኣፍረየ። 11 ጽዋእ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፣ ነቲ ወይኒ ወሲደ ኸኣ ናብታ ጽዋእ ፈርኦን ጸመቝክዎ። ድሕሪኡ፡ ነታ ጽዋእ፡ ንፈርኦን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ።” 12 ዮሴፍ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ትርጉሙ እዚ እዩ፦ እቲ ሰለስተ ውልዶታት፡ ሰለስተ መዓልቲ እዩ። 13 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ፈርኦን ኬውጽኣካ፡* ናብ ሽመትካ እውን ኪመልሰካ እዩ።+ ከምቲ ኣቐዲምካ ኣሰላፍ መስተኡ ኸለኻ እትገብሮ ዝነበርካ ድማ፡ ጽዋእ ፈርኦን ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ።+ 14 ጽቡቕ ምስ ኰነልካ ኸኣ ዘክረኒ። ካብዛ ቦታ እዚኣ ምእንቲ ኸተውጽኣኒ፡ በጃኻ ብተኣማንነት ኣፍቅረኒ፡ ንፈርኦን ከኣ ንገረለይ። 15 ኣነ ኻብ ምድሪ እብራውያን እተጨወኹ እየ፣+ ኣብዚ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ዜእቱ ገለ እኳ ኣይገበርኩን።”+ 16 እቲ ሓለቓ ሰንከትቲ፡ ዮሴፍ ጽቡቕ ከም ዝተርጐመ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን ከምዚ በሎ፦ “ኣነ እውን ብሕልመይ ሰለስተ መሶብ ጻዕዳ እንጌራ ኣብ ርእሰይ ነበረ፣ 17 ኣብቲ ላዕለዋይ መሶብ ከኣ ንፈርኦን ዚኸውን ኵሉ ዓይነት እንጌራ ነበረ፣ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ዝነበረ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ይበልዓ ነበራ።” 18 ዮሴፍ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ትርጉሙ እዚ እዩ፦ እቲ ሰለስተ መሶብ፡ ሰለስተ መዓልቲ እዩ። 19 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ፈርኦን ንርእስኻ ኪቘርጽ እዩ፡* ኣብ ጕንዲ ኸኣ ኪሰቕለካ እዩ፣ ኣዕዋፍ ድማ ስጋኻ ኺበልዓ እየን።”+ 20 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ንፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ፣+ ንዅሎም ገላዉኡ ኸኣ ድግስ ገበረሎም። ሽዑ፡ ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን ሓለቓ ሰንከትትን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡ ኣምጽኦም።* 21 ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ኸኣ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ፣ ንሱ ድማ እታ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ይህብ ነበረ። 22 ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ዝተርጐመሎም፡+ ሰቐሎ። 23 እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር፡ ኣይዘከሮን።+ 16 ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ፡ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት፣+ ኣጋር ዝስማ ግብጻዊት ገረድ ድማ ነበረታ።+ 2 ስለዚ፡ ሳራይ ንኣብራም፡ “በጃኻ ስምዓኒ! ከይወልድ የሆዋ ኸልኪሉኒ እዩ። በጃኻ ናብ ገረደይ እቶ። ምናልባት ብእኣ ውሉዳት እረክብ እኸውን” በለቶ።+ ኣብራም ድማ፡ ቃል ሳራይ ሰምዐ። 3 ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ፡ ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ንኣጋር እታ ግብጻዊት ገረዳ ወሲዳ፡ ንሰብኣያ ኣብራም፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ። 4 ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት፡ ንእመቤታ ነዓቐታ። 5 ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ “እዚ ኣባይ እተገብረ ዓገብ፡ ናትካ ጌጋ እዩ። ኣነ እየ ንገረደይ ኣብ ሕቝፍኻ ዝሃብኩኻ፣ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ከኣ ንዒቓትኒ። የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ። 6 ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ “እንሆ፡ ገረድኪ ኣብ ኢድኪ እያ። ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኪ ግበርያ” በላ። ሽዑ፡ ሳራይ ኣዋረደታ፣ ንሳ እውን ካብኣ ሃደመት። 7 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ዓይኒ ማይ፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ መገዲ ሹር ዘላ ዓይኒ ማይ ረኸባ።+ 8 “ኣጋር ገረድ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፧ ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ፧” ድማ በላ። ንሳ ኸኣ፡ “ካብ እመቤተይ ሳራይ እሃድም ኣለኹ” በለት። 9 መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ “ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ኸኣ ትሕት በሊ” በላ። 10 መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ “ንዘርእኺ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይከኣል ኣዝየ ኸብዝሖ እየ” በላ።+ 11 ብተወሳኺ እውን፡ መልኣኽ የሆዋ፡ “እንሆ ጥንስቲ ኢኺ፣ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ የሆዋ ጸበባኺ ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ስሙ እስማኤል* ኣውጽእሉ። 12 ንሱ ኸም ኣድጊ በረኻ* ዝበለ ሰብ ኪኸውን እዩ። ኢዱ ኣንጻር ኵሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ኣንጻሩ ኽትከውን እያ፣ ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ* ኸኣ ኪቕመጥ እዩ” በላ። 13 ንሳ ድማ፡ “ነቲ ዚርእየንስ ብሓቂዶ ኣብዚ ርእየዮ እየ፧” ኢላ፡ ስም እቲ ዚዛረባ ዝነበረ የሆዋ ጸዊዓ፡ “ኣታ ዚርኢ* ኣምላኽ”+ በለት። 14 ስለዚ ኸኣ እያ እታ ዒላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ* እተባህለት። (ንሳ ኣብ መንጎ ቃዴስን ቤሬድን ኣላ።) 15 ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ፣ ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።+ 16 በቲ ኣጋር ንኣብራም፡ እስማኤል ዝወለደትሉ ግዜ፡ ኣብራም ወዲ 86 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 6 ሰባት ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሑ ምስ ጀመሩ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ 2 እቶም ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡*+ እተን ኣዋልድ ሰባት መልክዐኛታት ምዃነን ረኣዩ። ካባታተን ድማ ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። 3 ድሕርዚ፡ የሆዋ፡ “ንሱ ስጋ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡* መንፈሰይ ንሓዋሩ ንሰብ ኣይኪጻወሮን እዩ።+ ስለዚ፡ መዓልትታቱ 120 ዓመት ኪኸውን እዩ” በለ።+ 4 በተን መዓልትታት እቲአንን ብድሕሪኡን፡ ነፊሊም* ኣብ ምድሪ ነበሩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰባት ኣተዉ፣ ንሳተን ድማ ኣወዳት ወለዳሎም። ንሳቶም ከኣ እቶም ስሙያት ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ጀጋኑ እዮም። 5 የሆዋ ኸኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ።+ 6 የሆዋ ኸኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡* ልቡ እውን ጐሃየ።*+ 7 ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ስለ ዝገበርክዎም ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎም ሰባት፡ ንሰብ ምስ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን በረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ብሓባር ካብ ገጽ ምድሪ ኽድምስሶም እየ” በለ። 8 ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሞገስ ረኸበ። 9 ታሪኽ ኖህ እዚ እዩ። ኖህ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ።+ ኣብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ፡* ኣበር ዘይብሉ* ነበረ። ኖህ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።+ 10 ኖህ ድማ ሰለስተ ኣወዳት፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ።+ 11 ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተበላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልአት። 12 ኣምላኽ ድማ ንምድሪ ረኣያ፡ ተበላሽያ ኸኣ ነበረት፣+ ኵሉ ስጋ፡* መገዱ ኣብ ምድሪ ኣበላሽዩ ነበረ።+ 13 ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንኖህ ከምዚ በሎ፦ “ብሰሮም ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ ንዅሉ ስጋ መወዳእታ ኽገብረሉ ወሲነ እየ፣ ስለዚ፡ ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ።+ 14 ዕንዲዳ ኻብ ዜውጽእ ዕንጨይቲ ንዓኻ መርከብ* ስራሕ።+ ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ብውሽጣን ብደጊኣን ከኣ ብቕጥራን*+ ለቕልቃ። 15 ከምዚ ኸኣ ግበራ፦ እታ መርከብ ምንዋሓ 300 እመት፡* ምግፋሓ 50 እመት፡ ቍመታ ድማ 30 እመት ይኹን። 16 ነታ መርከብ ካብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቝመቱ ንብርሃን ዚኸውን መስኰት* ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ፣+ ታሕተዋይ ባይታ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ደርቢ ግበረላ። 17 “ኣነ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ትንፋስ ህይወት* ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኸጥፍእሲ፡ ማይ ኣይሂ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸምጽእ እየ።+ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ እውን ኪጠፍእ እዩ።+ 18 ምሳኻ ኸኣ ኪዳነይ ከቕውም እየ፣ ንስኻ ድማ ምስ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን ናብታ መርከብ እቶ።+ 19 ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኸኣ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ህያው ፍጡር ከክልተ፡+ ማለት ተባዕታይን ኣንስተይትን፡+ ናብታ መርከብ ኣእቱ። 20 ካብቶም በረርቲ ፍጡራት በብዓይነቶም፡ ካብ እንስሳ ዘቤት በብዓይነቶም፡ ካብ ለመምቲ ምድሪ በብዓይነቶም፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩስ፡ ካብ ኵሉ ኸክልተ ናባኻ ይእተዉ።+ 21 ንዓኻን ነቶም እንስሳታትን ምግቢ ዚኸውን ከኣ፡ ኵሉ ዓይነት ዚብላዕ ምግቢ+ ኣኪብካ ምሳኻ ውሰድ።” 22 ኖህ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ።+ 25 ኣብርሃም ድማ ከም ብሓድሽ ቄጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ። 2 ንሳ ኸኣ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንሜዳንን ንሚድያንን+ ንይሽባቅን ንሹኣሕን+ ወለደትሉ። 3 ዮቅሻን ድማ ንሳባን ንዴዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከኣ ኣሹሪምን ለጡሺምን ለኡሚምን እዮም። 4 ደቂ ሚድያን ድማ ዔፋን ዔፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ቄጡራ እዮም። 5 ኣብርሃም ከኣ ዘለዎ ዅሉ ንይስሃቅ ሃቦ፣+ 6 ኣብርሃም ግና ነቶም ካብ ኣንስቲ ወሰኑ እተወልዱ ደቁ ህያባት ሂቡ፡ ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ካብ ይስሃቅ ወዱ ኣርሒቑ+ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም። 7 ዓመታት ህይወት ኣብርሃም፡ 175 ዓመት እዩ። 8 ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርጋን ኣሪጉ፡ ዕድመ ጸጊቡ፡ ትንፋሱ ሓለፈት፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ።* 9 ደቁ ይስሃቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን ወዲ ጾሓር እቲ ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማክጴላ ቐበርዎ፣+ 10 ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት ዝዓደጋ ግራት ቀበርዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብርሃም ምስ ሰበይቱ ሳራ ተቐብረ።+ 11 ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ንወዱ ይስሃቅ ባረኾ፣+ ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጥቓ ብኤር-ለሓይ-ሮይ+ ይቕመጥ ነበረ። 12 ታሪኽ እስማኤል+ ወዲ ኣብርሃም፡ ኣጋር+ እታ ግብጻዊት ገረድ ሳራ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ እዚ እዩ። 13 ስማት ደቂ እስማኤል በብስሞም፡ ከከም ትውልዶም እዚ እዩ፦ በዅሪ እስማኤል ነባዮት፡+ ደሓር ቄዳርን+ ኣድብኤልን ሚብሳምን+ 14 ሚሽማዕን ዱማን ማሳን 15 ሃዳድን ቴማን የጡርን ናፊሽን ቄድማን። 16 እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም፣ ስማቶም በብዓዶምን በብሰፈሮምን* እዚ እዩ፦ በብእንዳኦም 12 ሹም።+ 17 ዓመታት ህይወት እስማኤል ድማ 137 ዓመት ኰነ። ትንፋሱ ኸኣ ሓለፈት እሞ ሞተ፡ ናብ ህዝቡ ድማ ተኣከበ።* 18 ካብታ ጥቓ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር+ እትርከብ ሓዊላ+ ኽሳብ ኣሶር ይቕመጡ ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ድማ ሰፈረ።*+ 19 ታሪኽ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ከኣ እዚ እዩ።+ ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ። 20 ይስሃቅ ድማ ንርብቃ ጓል ቤቱኤል+ እቲ ኣራማዊ ብዓል ጳዳን-ኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ኣራማዊ ኺምርዓዋ ኸሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 21 ንሳ መኻን ስለ ዝነበረት፡ ይስሃቅ ብዛዕባ ሰበይቱ ንየሆዋ ለመኖ፣ የሆዋ ኸኣ ንልማኖኡ መለሰሉ፡ ሰበይቱ ርብቃ እውን ጠነሰት። 22 እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ደቃ ኸኣ ይቃለሱ ነበሩ እሞ፡+ “ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ እየ ዝነብር፧” በለት። ንየሆዋ ድማ ሓተተቶ። 23 የሆዋ ኸኣ፡ “ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ ኣለዉ፣+ ካብ ከርስኺ እውን ክልተ ህዝቢ ኺፈላለዩ እዮም።+ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልእ ህዝቢ ኺብርትዕ እዩ፣+ እቲ ዓብዪ ድማ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ”+ በላ። 24 እትወልደሉ እዋን ምስ ኣኸለ፡ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ። 25 ሽዑ፡ እቲ ቐዳማይ ዝወጸ ዅለንትናኡ ጸጕሪ ባርኖስ ዚመስል ቀይሕ ነበረ፣+ ኤሳው* ኢሎም ድማ ሰመይዎ።+ 26 ድሕሪኡ፡ ሓዉ ወጸ፡ ኢዱ ኸኣ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት፣+ ያእቆብ* ኢሉ ድማ ሰመዮ።+ ንሳ ኽትወልዶም ከላ፡ ይስሃቅ ወዲ 60 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 27 እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ፣ ኤሳው ከኣ ክኢላ ሃዳኒ፡+ ናይ መሮር ሰብ ኰነ። ያእቆብ ግና ኣብ ድንኳናት ዚቕመጥ መንቅብ ዘይብሉ ሰብኣይ ነበረ።+ 28 ይስሃቅ ከኣ ንኤሳው ይፈትዎ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ሃሃዲኑ የብልዖ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈትዎ ነበረት።+ 29 ሓደ ግዜ፡ ያእቆብ ጸብሒ ኺሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር ተመልሰ። 30 ሽዑ፡ ኤሳው ንያእቆብ፡ “ደኺመ* እየ እሞ፡ በጃኻ ቐልጥፍ፡ ካብቲ ቐይሕ ጸብሒ* ሒደት ሃበኒ”* በሎ። ስለዚ፡ ስሙ ኤዶም* ተባህለ።+ 31 ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ።+ 32 ኤሳው ድማ፡ “እንሆ፡ ክመውት ኢለ ኣለኹ። ብዅርናኸ እንታይ ኪዓብሰለይ እዩ፧” በለ። 33 ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ምሓለለይ” በሎ። ንሱ ድማ መሓለሉ፡ ብዅርናኡ እውን ንያእቆብ ሸጠሉ።+ 34 ሽዑ፡ ያእቆብ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ሃቦ፣ ንሱ ድማ በልዐን ሰተየን። ተንሲኡ ኸኣ ከደ። በዚ ኸምዚ፡ ኤሳው ንብዅርናኡ ነዓቓ። 33 ያእቆብ ከኣ ኣዒንቱ ኣልዓለ፣ ኤሳው ምስ 400 ሰብኡት ኪመጽእ ድማ ረኣየ።+ ስለዚ፡ ነቶም ደቂ ኣብ መንጎ ልያን ራሄልን እተን ክልተ ኣግራድን መቓቐሎም።+ 2 ነተን ኣግራድን ንደቀንን ቅድሚት፡+ ንልያን ንደቃን ድማ ደድሕሪኦም፡+ ንራሄልን+ ንዮሴፍን ከኣ ድሕሪኦም ገበሮም። 3 ንሱ ድማ ቅድሚኦም ሓሊፉ፡ ናብ ሓዉ ኽሳዕ ዚበጽሕ ሸውዓተ ሳዕ ናብ ምድሪ ሰገደ። 4 ኤሳው ከኣ ኪቕበሎ ጐየየ፡ ሓቚፉ እውን ሰዓሞ፣ በኸዩ ድማ። 5 ኣዒንቱ ኣልዒሉ ኣንስትን ቈልዑን ምስ ረኣየ፡ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም፧” በለ። ንሱ ድማ፡ “ኣምላኽ ንጊልያኻ ዝጸገዎ ደቂ እዮም” በለ።+ 6 ሽዑ፡ እተን ኣግራድ ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳ፣ 7 ልያ እውን ምስ ደቃ ቐረበት፡ ሰገዱ ኸኣ። ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ምስ ራሄል ቀረበ፡ ሰገዱ ድማ።+ 8 ኤሳው ከኣ፡ “እዚ ዅሉ ዘጓነፈኒ ሰፈር ተጓዓዝቲ ደኣኸ ንምንታይ እዩ፧” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰ።+ 9 ኤሳው ከኣ፡ “ሓወየ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጥሪት ኣሎኒ።+ ናትካስ ንዓኻ ደኣ ይኹን” በለ። 10 ያእቆብ ግና፡ “ኣይፋልካን። ገጽካ ምእንቲ ኽርኢ ስለ ዘምጻእክዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ህያበይ ካብ ኢደይ ተቐበል። ባህ ኢሉካ ኻብ ተቐበልካንስ፡ ንገጽካ ገጽ ኣምላኽ ከም ምርኣይ ርእየዮ እየ።+ 11 ኣምላኽ ጸግዩኒ እዩ፡ ዜድልየኒ ዘበለ ዅሉ እውን ኣሎኒ እሞ፡+ በጃኻ ነቲ ዝሰደድኩልካ ገጸ በረኸተይ ውሰዶ” በለ።+ ግዲ እውን በሎ፡ ንሱ ኸኣ ወሰዶ። 12 ጸኒሑ፡ ኤሳው፡ “ንንቀል እሞ ንኺድ፣ ኣነ ድማ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እየ” በለ። 13 ንሱ ግና፡ “እዞም ቈልዑ ተነቀፍቲ ምዃኖም፡+ ዜጥብዋ ኣባጊዕን ኣሓን ከኣ ከም ዘለዋኒ፡ ጐይታይ ይፈልጥ እዩ። ሓንቲ መዓልቲ እምብዛ እንተ ሃዊኾምወን፡ ኵለን መጓሰ ይሞታ። 14 ጐይታይሲ፡ ቀቅድሚ ጊልያኡ ደኣ ይሕለፍ፣ ኣነ ድማ ናብ ጐይታይ ኣብ ሰዒር ክሳዕ ዝበጽሕ፡+ ከም ስጕምቲ እተን ማለይን ከም ስጕምቲ እቶም ቈልዑን ገይረ ቐስ እናበልኩ ኽመጽእ እየ” በሎ። 15 ኤሳው ከኣ፡ “እሞ ኻብዞም ምሳይ ዘለዉ ሰባት ክሓድገልካ” በለ። ንሱ ግና፡ “እዚኸ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ጐይታይ ደኣ ሞገስ እርከብ” በለ። 16 ስለዚ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኤሳው ናብ ሰዒር ኣቢሉ ተመልሰ። 17 ያእቆብ ድማ ናብ ሱኮት+ ተጓዕዘ፣ ንዕኡ ኸኣ ቤት ሃነጸ፡ ንመጓሰኡ እውን ዳሳት ሰርሐ። ስለዚ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ሱኮት* ኢሉ ሰመያ። 18 ያእቆብ ካብ ጳዳን-ኣራም+ ተጓዒዙ፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን+ ዘላ ኸተማ ሴኬም+ ብደሓን በጽሐ፣ ኣብ መንጽር እታ ኸተማ ኸኣ ሰፈረ። 19 እታ ድንኳኑ ዝተኸለላ ኽፋል ግራት ድማ፡ ካብ ደቂ ሓሞር፡ ኣቦ ሴኬም፡ ብ100 ቀሲጣ* ዓደጋ።+ 20 ድሕርዚ፡ ኣብኣ መሰውኢ ኣቘመ እሞ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል ኢሉ ሰመዮ።+ 10 ታሪኽ ደቂ ኖህ፡ ሴምን+ ካምን ያፌትን፡ እዚ እዩ። ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ንዓታቶም ደቂ ተወልዱሎም።+ 2 ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን+ ማጎግን+ ማዳይን ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ቲራስን+ እዮም። 3 ደቂ ጎሜር፡ ኣሽከናዝን+ ሪፋትን ቶጋርማን+ እዮም። 4 ደቂ ያዋን፡ ኤሊሻን+ ተርሲስን+ ኪቲምን+ ዶዳኒምን እዮም። 5 ካብዚኣቶም ነበርቲ ደሴታት ከከም ቋንቋኦምን ከከም ዓሌቶምን በብህዝቦምን ነናብ ምድሮም ተበተኑ። 6 ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራይምን+ ጱጥን+ ከነኣንን+ እዮም። 7 ደቂ ኩሽ፡ ሴባን+ ሓዊላን ሳብታን ራዕማን+ ሳብተካን እዮም። ደቂ ራዕማ፡ ሳባን ዴዳንን እዮም። 8 ኩሽ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና ነበረ። 9 ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ ዀነ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ከም ኒምሮድ፡ ንየሆዋ ዚጻረር ጅግና ሃዳኒ” ዚብል ብሂል ዘሎ። 10 መጀመርታ መንግስቱ* ድማ፡ ባቤልን+ ኤሬክን+ ኣካድን ካልነን ኣብ ምድሪ ሲንኣር+ ነበራ። 11 ካብታ ምድሪ እቲኣ፡ ናብ ኣሶር+ ከይዱ ንነነዌን+ ንሬሖቦት-ዒርን ንከላህን ሰርሐን፣ 12 ንሬስን እውን ኣብ መንጎ ነነዌን ከላህን ሰርሓ፦ እዚኣ ዓባይ ከተማ እያ።* 13 ሚስራይም ድማ ንሉዲምን+ ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን+ 14 ንጳጥሩሲምን+ ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን+ ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን+ ወለደ። 15 ከነኣን ንሲዶን+ በዅሩን ንሔትን+ 16 ንይቡሳውያንን+ ንኣሞራውያንን+ ንጊርጋሳውያንን 17 ንሒዋውያንን+ ንዓርቃውያንን ንሲኒውያንን 18 ንኣርዋዳውያንን+ ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን+ ወለደ። ድሕርዚ፡ ዓሌታት ከነኣናውያን ፋሕ በሉ። 19 ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሲዶን ክሳብ እታ ጥቓ ጋዛ+ ዘላ ጌራር፡+ ክሳብ ሶዶምን ጎሞራን+ ኣድማን ጥቓ ላሻዕ ዘላ ጸቦኢምን+ ነበረ። 20 እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን ደቂ ካም እዮም። 21 ንሴም እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበርን+ ሓው እቲ ዓብዪ ዝዀነ ያፌትን* እውን ደቂ ተወልዱሉ። 22 ደቂ ሴም፡ ዔላምን+ ኣሹርን+ ኣርፋክሳድን+ ሉድን ኣራምን+ እዮም። 23 ደቂ ኣራም፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን እዮም። 24 ኣርፋክሳድ ንሸላሕ ወለደ፣+ ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ። 25 ንዔበር ድማ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡* ስሙ ፌሌግ*+ ተባህለ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮቅጣን እዩ።+ 26 ዮቅጣን ንኣልሞዳድን ንሼሌፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን+ 27 ንሃዶራምን ንኡዛልን ንዲቅላን 28 ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሳባን 29 ንኦፊርን+ ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 30 መንበሪኦም ድማ ካብ ሜሻ ኽሳብ እቲ ኣኽራን ምብራቕ ዝዀነ ሰፋር ተዘርግሐ። 31 እዚኣቶም ከከም ዓሌቶምን ከከም ቋንቋኦምን በብምድሮምን በብህዝቦምን+ ደቂ ሴም እዮም። 32 እዚኣቶም ከከም ትውልዶምን በብህዝቦምን ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተበተኑ።+ 14 ብዘመን ኣምራፌል ንጉስ ሲንኣር፡+ ኣርዮክ ንጉስ ኤልሳር፡ ከዶርላኦመር+ ንጉስ ዔላም፡+ ቲደዓል ንጉስ ጎይም፡ 2 እዚኣቶም ምስ ቤራዕ ንጉስ ሶዶምን+ ምስ ቢርሻዕ ንጉስ ጎሞራን+ ምስ ሺንኣብ ንጉስ ኣድማን ምስ ሼምኤበር ንጉስ ጸቦኢምን+ ምስ ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ኸኣ ጾዓር፡ ውግእ ገበሩ። 3 ኵሎም እዚኣቶም ኣብ ስንጭሮ* ሲዲም፡+ ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው፡*+ ሓይልታቶም ኣሕበሩ። 4 ንከዶርላኦመር 12 ዓመት ተገዚኦምዎ ነበሩ፣ ኣብ መበል 13 ዓመት ግና ዓለዉ። 5 ኣብ መበል 14 ዓመት ድማ ከዶርላኦመርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን መጹ፡ ንረፋይም ኣብ ዓሽተሮት-ቀርናይም፡ ንዙዚም ኣብ ሃም፡ ንኤሚም+ ኣብ ሻዌ-ቂርያታይም፡ 6 ንሖራውያን+ ከኣ ኣብ ከረን ሰዒር+ ክሳብ እታ ኣብ በረኻ ዘላ ኤል-ጳራን ሰዓርዎም። 7 ተመሊሶም ድማ ናብ ዔን-ምሽጳጥ፡ ንሳ ኸኣ ቃዴስ፡+ መጺኦም፡ ንብዘላ ምድሪ ኣማሌቃውያንን+ ነቶም ኣብ ሓጻጾን-ታማር+ ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣሞራውያንን+ ሰዓርዎም። 8 ሽዑ፡ ንጉስ ሶዶምን ንጉስ ጎሞራን ንጉስ ኣድማን ንጉስ ጸቦኢምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ኸኣ ጾዓር፡ ወጺኦም ኣብ ስንጭሮ* ሲዲም ኪዋግኡ ተሰለፉ፣ 9 ምስ ከዶርላኦመር ንጉስ ዔላምን ቲደዓል ንጉስ ጎይምን ኣምራፌል ንጉስ ሲንኣርን ኣርዮክ ንጉስ ኤልሳርን፡+ ኣርባዕተ ነገስታት ምስ ሓሙሽተ ኺዋግኡ ተሰለፉ። 10 እቲ ስንጭሮ* ሲዲም ድማ ጐዳጕዲ ቕጥራን መሊኡ ነበረ፣ ነገስታት ሶዶምን ጎሞራን ከኣ ኪሃድሙ ኸለዉ ኣብኡ ወደቑ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኣኽራን ሃደሙ። 11 እቶም ዕዉታት ከኣ ኵሉ ጥሪት ሶዶምን ጎሞራን ኵሉ ምግቦምን ወሲዶም ከዱ።+ 12 ነቲ ኣብ ሶዶም ዚቕመጥ ዝነበረ ሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብራም እውን ምስ ጥሪቱ ሒዞምዎ ኸዱ።+ 13 ሓደ ዘምለጠ ኸኣ ናብ ኣብራም እቲ እብራዊ መጺኡ ነገሮ። ንሱ ድማ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ እቲ ኣሞራዊ፡+ ሓው ኤሽኮልን ዓኔርን+ ይነብር* ነበረ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ። 14 ኣብራም ድማ ዘመዱ*+ ኸም እተማረኸ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ቤቱ እተወልዱ 318 ዝሰልጠኑ ገላዉ ኣኪቡ፡ ክሳብ ዳን+ ደድሕሪኦም ሰዓበ። 15 ንሱን ገላዉኡን ተመቒሎም ከኣ፡ ብለይቲ ኣጥቂዖም ሰዓርዎም። ክሳብ እታ ብሰሜን ደማስቆ እትርከብ ሆባ እውን ሰጐጕዎም። 16 ኵሉ ጥሪት ከኣ ኣምለሰ፣ ንሎጥ ዘመዱን ንጥሪቱን ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን እውን ኣምለሰ። 17 ኣብራም ንከዶርላኦመርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ንጉስ ሶዶም ንኣብራም ኣብ ስንጭሮ* ሻዌ፡ ንሱ ኸኣ ስንጭሮ ንጉስ፡+ ኪቕበሎ ወጸ። 18 ሽዑ፡ መልከጼዴቅ+ ንጉስ ሳሌም+ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ፣ ንሱ ኻህን እቲ ልዑል ኣምላኽ ነበረ።+ 19 ንሱ ድማ፡ ከምዚ ኢሉ ባረኾ፦ “ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ፡በቲ ገባሪ ሰማይን ምድርን ይባረኽ፣ 20 እቲ ንተጻረርትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካልዑል ኣምላኽ ይወደስ።” ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ሃቦ።+ 21 ንጉስ ሶዶም ከኣ ንኣብራም፡ “እቶም ሰባት* ሃበኒ፡ ነቲ ጥሪት ግና ንዓኻ ውሰዶ” በሎ። 22 ኣብራም ግና ንንጉስ ሶዶም፡ “ኢደይ ንማሕላ ናብቲ ገባሪ ሰማይን ምድርን ዝዀነ የሆዋ እቲ ልዑል ኣምላኽ አልዕል ኣለኹ፣ 23 ‘ንኣብራም ኣነ ኣሀብቲመዮ’ ኸይትብልሲ፡ ፈትሊ ዀነ ስራኽ ሳእኒ ዀነ፡ ናትካ ዘበለ ገለ እኳ ኣይወስድን እየ። 24 ብዘይካ እቲ እቶም ኣጕባዝ ዝበልዕዎ፡ ገለ እኳ ኣይወስድን እየ። ብዛዕባ ግደ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰብኡት፡ ዓኔርን ኤሽኮልን መምሬን፡+ ንሳቶም ግዲኦም ይውሰዱ” በሎ። 43 እቲ ጥሜት ከኣ ኣብታ ምድሪ በርትዐ።+ 2 ነቲ ኻብ ግብጺ ዘምጽእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ ድማ፡+ ኣቦኦም፡ “ተመሊስኩም ሒደት ምግቢ ዓድጉልና” በሎም። 3 ይሁዳ ኸኣ፡ “እቲ ሰብኣይ፡ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየልዩ፡ ደጊም ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም’ ኢሉ ብንጹር ኣጠንቂቑና እዩ።+ 4 ንሓውና ምሳና ትሰድዶ እንተ ዄንካ፡ ወሪድና ምግቢ ኽንዕድገልካ ኢና። 5 ዘይትሰድዶ እንተ ዄንካ ግና፡ እቲ ሰብኣይ፡ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየልዩ፡ ደጊም ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም’ ኢሉና እዩ እሞ፡ ኣይንወርድን ኢና” በሎ።+ 6 እስራኤል+ ከኣ፡ “ነቲ ሰብኣይ ካልእ ሓው ከም ዘሎኩም ብምንጋር ስለምንታይ ሽግር ኣምጺእኩምለይ፧” በለ። 7 ንሳቶም ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ኣዝማድናን፡ ‘ኣቦኹም ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧ ካልእ ሓውከ ኣሎኩምዶ፧’ ኢሉ ብቐጥታ ሓቲቱና፣ ንሕና ኸኣ እዚ ሓቂ እዚ ነጊርናዮ።+ ‘ንሓውኩም ናብዚ ኣውርድዎ’ ኸም ዚብለና ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧” በሉ።+ 8 ይሁዳ ድማ ንኣቦኡ እስራኤል ከምዚ በሎ፦ “ንሕናን ንስኻን ቈልዑናን+ ብህይወት ክንነብር እምበር፡ ከይንመውትሲ፡+ ነዚ ወዲ ምሳይ ስደዶ እሞ ንኺድ።+ 9 ኣነ እውሓሶ።+ ኣነ ተሓታቲ እኸውን። ናባኻ እንተ ዘይመሊሰዮን ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዘየቕሪበዮን፡ ንሓዋሩ ኸም ዝበደልኩኻ እኸውን። 10 እንተ ዘይንድንጕስ፡ ክሳዕ ሕጂ ኽልተ ሳዕ ናብኡ ኼድና ምተመለስና ኔርና።” 11 ሽዑ፡ ኣቦኦም እስራኤል ከምዚ በሎም፦ “ከምኡ እንተ ዀይኑስ፡ ከምዚ ግበሩ፦ ካብ ፍርያት እዛ ምድሪ እዚኣ ዘዝበለጸ ኣብ ከረጺታትኩም ውሰዱ፣ ነቲ ሰብኣይ ህያብ ኪኸውን+ ድማ ሒደት በለሳንን+ ሒደት መዓርን ምዑዝ ዕንዲዳን ዕንዲዳዊ ቕላጥን+ ካዕካዕን* ለውዝን ተማልኡሉ። 12 ዕጽፊ ገንዘብ ድማ ውሰዱ፣ እቲ ኣብ ኣፍ ከረጺታትኩም እተመልሰ ገንዘብ እውን ምለስዎ።+ ምናልባት ብጌጋ ይኸውን። 13 ንሓውኩም ወሲድኩም ተንስኡ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ። 14 ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺሰድዶም፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሃብኩም። ኣነ ግና፡ ውሉድ እንተ ስኢነ፡ እስኣን!”+ 15 ሽዑ፡ እቶም ሰባት ነዚ ህያብ እዚ ወሰዱ፡ ዕጽፊ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢዶም ሓዙ፡ ንብንያም እውን ተማልእዎ። ተንሲኦም ከኣ ናብ ግብጺ ወረዱ፡ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ድማ መሊሶም ደው በሉ።+ 16 ዮሴፍ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረኣዮ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እተሸመ፡ “ነዞም ሰባት እዚኦም ቀትሪ ምሳይ ኪምስሑ እዮም እሞ፡ ናብ ቤት ውሰዶም፡ ሕሩድ ሓሪድካ እውን ኣዳሉ” በሎ። 17 እቲ ሰብኣይ ድማ ብኡብኡ ኸምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፣+ ነቶም ሰባት ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ወሰዶም። 18 እቶም ሰባት ግና ናብ ቤት ዮሴፍ ምስ ተወስዱ፡ ፈርሁ፣ “ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ከረጺታትና እተመልሰ ገንዘብ እዮም ናብዚ ኣምጺኦምና። ሕጂ፡ ኬጥቅዑናን ባሮቶም ኪገብሩናን ኣእዱግና ኺወስዱን እዮም!” ድማ በሉ።+ 19 ናብቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ዮሴፍ እተሸመ ሰብኣይ ቀሪቦም ድማ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ተዛረብዎ፣ 20 ከምዚ ኸኣ በልዎ፦ “ኣይትሓዘልና ደኣ እምበር ጐይታይ፡ ብቐዳማይ ምግቢ ኽንዕድግ ወሪድና ኔርና።+ 21 ኣብ መሕደሪና ምስ በጻሕናን ከረጺታትና ምስ ከፈትናን ግና፡ ገንዘብና ኸከምቲ እተመዝኖ፡ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ከከረጺቱ ነበረ።+ ባዕልና ኽንመልሶ ኸኣ ንደሊ ኢና። 22 ምግቢ ንምዕዳግ ድማ ተወሳኺ ገንዘብ ኣምጺእና ኣለና። ነቲ ገንዘብ መን ኣብ ከረጺታትና ኸም ዘእተዎ ኣይንፈልጥን ኢና።”+ 23 ንሱ ኸኣ፡ “ኣጆኹም ኣይትፍርሁ። ኣብ ከረጺታትኩም መዝገብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦኹምን እዩ። ገንዘብኩምሲ ተቐቢለ እየ” በሎም። ድሕርዚ፡ ንስምኦን ናባታቶም ኣምጽኦ።+ 24 ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእትዩ፡ ኣእጋሮም ኪሕጸቡ ማይ ሃቦም፡ ንኣእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን። 25 ኣብኡ እንጌራ ኸም ዚበልዑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ፡+ ዮሴፍ ቀትሪ ኽሳዕ ዚመጽእ ነቲ ህያብ ኣዳለዉ።+ 26 ዮሴፍ ናብ ቤት ምስ መጸ፡ ህያባቶም ናብኡ ናብ ውሽጢ ቤቱ ኣምጽኡሉ፡ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሎም ከኣ ሰገዱሉ።+ 27 ድሕርዚ፡ ደሓን እንተ ዀይኖም ሓተቶም፡ “እቲ ብዛዕባኡ እተዛረብኩምኒ ዝኣረገ ኣቦኹምከ ደሓንዶ ኣሎ፧ ገናዶ ብህይወት ኣሎ፧” ከኣ በሎም።+ 28 ንሳቶም ድማ፡ “ጊልያኻ ኣቦና ደሓን ኣሎ። ብህይወት ኣሎ” በልዎ። ፍግም ኢሎም ድማ ሰገዱሉ።+ 29 ኣዒንቱ ኣልዒሉ ንብንያም ሓዉ ወዲ ኣዲኡ+ ምስ ረኣዮ፡ “እዝስ እቲ ብዛዕባኡ እተዛረብኩምኒ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ድዩ፧” በሎም።+ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ወደየ፡ ኣምላኽ ሞገስ ይሃብካ” በሎ። 30 ዮሴፍ ብምኽንያት ሓዉ ስምዒቱ ምቍጽጻር ኣብይዎ፡ ዚበኽየሉ ቦታ ኺረክብ ተቐላጢፉ ወጸ። ናብ ብሕት ዝበለት ክፍሊ ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብኡ በኸየ።+ 31 ድሕርዚ፡ ገጹ ተሓጺቡ ወጸ፡ ርእሱ ተቘጻጺሩ እውን፡ “መኣዲ ኣቕርቡ” በለ። 32 ሽዑ፡ ንዕኡ ንበይኑ፡ ንዓታቶም ድማ ንበይኖም፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ግብጻውያን ከኣ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ግብጻውያንሲ ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ የፈንፍኖም እዩ እሞ፡ ግብጻውያን ምሳታቶም ኪበልዑ ኣይከኣሉን።+ 33 እቶም ኣሕዋት* ከኣ፡ እቲ በዅሪ ኸም ብዅርናኡ፡+ እቲ ሕሳስ ልደ ኸም ምንኣሱ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፣ ተገሪሞም ድማ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። 34 ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ምግቢ ኸኣ፡ ግዲኦም ይሰድደሎም ነበረ፣ ንብንያም ግና ሓለፋ ግደ ዅሎም ሓሙሽተ ዕጽፊ ኣቕረበሉ።+ ክሳዕ ዚኣኽሎም ድማ ምስኡ በልዑን ሰተዩን። 9 ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ንደቁን ባረኾም፡ ከምዚ ድማ በሎም፦ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ።+ 2 ኵሉ ህያው ፍጡር ምድርን ኵሉ በራሪ ፍጡር ሰማያትን ኣብ ምድሪ ዚንቀሳቐስ ዘበለ ዅሉን ኵሉ ዓሳ ባሕርን ድማ ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሸበርን። ኣብ ኢድኩም ተዋሂቦም እዮም።+ 3 ዚንቀሳቐስ እንስሳ ዘበለ ዅሉ ህያው፡ ምግቢ ይኹንኩም።+ ከምቲ ለምለም ኣትክልቲ ዝሃብኩኹም፡ ኵላቶም እህበኩም ኣለኹ።+ 4 ግናኸ፡ ስጋ ምስ ህይወቱ፡* ማለት ምስ ደሙ፡+ ኣይትብልዑ።+ 5 ብዘይካዚ፡ ነቲ ህይወትኩም ዝዀነ ደምኩም* ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ህያው ፍጡር ክደልዮ እየ፣ ሓዉ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ህይወት ሰብ ካብ ኢድ ሰብ ክደልያ እየ።+ 6 ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡+ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።+ 7 ንስኻትኩም ከኣ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ኣብ ምድሪ ድማ ሰስኑን ተባዝሑን።”+ 8 ኣምላኽ ከኣ ንኖህ፡ ንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ በሎም፦ 9 “እንሆ ኸኣ፡ ምሳኻትኩም፡ ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ።+ 10 ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡርን* ምስ ኣዕዋፍን ምስ እንስሳታትን ምስ ኵሎም እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ህያዋን ፍጡራት ምድርን ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉ ህያው ፍጡር ምድርን እውን ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ።+ 11 እወ፡ ምሳኻትኩም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ፦ ድሕሪ ደጊም ስጋ* ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይኪጠፍን እዩ፣ ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ እውን መሊሱ ኣይኪኸውንን እዩ።”+ 12 ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ከምዚ በለ፦ “ምልክት እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡርን፡* ንውሉድ ወለዶ ዝገብሮ ኺዳን እዚ እዩ። 13 ቀስተ ደበናይ ኣብ ደበና አንብር ኣለኹ፣ ንሱ ድማ ምልክት እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ኪኸውን እዩ። 14 ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸደባኑ ኸለኹ፡ ኣብቲ ደበና፡ ቀስተ ደበና ብርግጽ ኪርአ እዩ። 15 ነቲ ምሳኻትኩምን ምስ ኵሉ ዓይነት ህያው ፍጡር ዘበለን* ዝገበርክዎ ኺዳነይ ከኣ ብርግጽ ክዝክር እየ፣ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ እውን ደጊም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።+ 16 ቀስተ ደበና ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ኸኣ ብርግጽ ክርእዮ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ዓይነት ህያው ፍጡር ዘበለን* እተገብረ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እውን ክዝክሮ እየ።” 17 ኣምላኽ ከኣ መሊሱ ንኖህ፡ “ምልክት እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስጋን ዘቘምክዎ ኺዳን እዚ እዩ” በሎ።+ 18 እቶም ካብ መርከብ ዝወጹ ደቂ ኖህ ከኣ፡ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም።+ ካም ድማ ኣቦ ከነኣን ኰነ።+ 19 እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እዮም፣ ካብዚኣቶም ከኣ ኵሎም ህዝቢ ምድሪ መጹ፡ ተበተኑ እውን።+ 20 ኖህ ድማ ሓረስታይ ኪኸውን ጀመረ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ተኸለ። 21 ካብ ወይኒ ምስ ሰተየ ኸኣ ሰኸረ፡ ኣብ ውሽጢ ድንኳኑ ድማ ጥራዩ ዀነ። 22 ካም ኣቦ ከነኣን ከኣ ዕርቃን ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። 23 ሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሰዱ እሞ ኣብ መንኵቦም ገይሮም ንድሕሪት ከይዶም፡ ዕርቃን ኣቦኦም ከደኑ። ገጾም ብምምላሶም፡ ዕርቃን ኣቦኦም ኣይረኣዩን። 24 ኖህ ካብ ስኽራን ወይኑ ምስ ተበራበረ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ፈለጠ። 25 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ከነኣን ርጉም ይኹን።+ ንኣሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን።”+ 26 ከምዚ እውን በለ፦ “የሆዋ፡ ኣምላኽ ሴም ይወደስ፡ከነኣን ድማ ባርያ ሴም* ይኹን።+ 27 ኣምላኽ ንያፌት የስፍሓሉ፡ ኣብ ድንኳናት ሴም ከኣ ይንበር።ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን።” 28 ኖህ ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ 350 ዓመት ነበረ።+ 29 ኵሉ ዕድመ ኖህ 950 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 27 ይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ምርኣይ ክሳዕ ዚስእና ምስ ደኸማ፡ ንኤሳው እቲ ዓብዪ ወዱ ጸዊዑ፡+ “ወደየ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” ኢሉ መለሰ። 2 ንሱ ድማ፡ “ሕጂ ኣሪገ እየ። መዓልቲ ሞተይ ከኣ ኣይፈልጥን እየ። 3 ሕጂ ድማ በጃኻ ኣጽዋርካ፡ ማለት ጕልድባኻን ቀስትኻን፡ ውሰድ እሞ፡ ንመሮር ወፊርካ፡ ሃዲንካ ኣምጽኣለይ።+ 4 ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኸኣ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ። ሽዑ፡ ቅድሚ ሙማተይ ምእንቲ ኽምርቐካስ፡* ክበልዖ እየ” በለ። 5 ርብቃ ግና ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ትሰምዖ ነበረት። ኤሳው ድማ ሃዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረ።+ 6 ርብቃ ኸኣ ንወዳ ያእቆብ፡+ “ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው ከምዚ ኢሉ ኺዛረቦ ሰሚዐ፦ 7 ‘ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ። ኣነ ድማ ቅድሚ ሞተይ፡ በሊዐ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽምርቐካ እየ።’+ 8 ሕጂ ኸኣ ወደየ፡ ተጠንቂቕካ ስማዕ፡ ከምቲ ዝእዝዘካ ድማ ግበር።+ 9 በጃኻ ናብተን መጓሰ ኼድካ፡ ካብአን ክልተ ብሉጻት መሓስእ ኣምጽኣለይ፣ ኣነ ኸኣ ንዓታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ እየ። 10 ሽዑ፡ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ፡ ናብ ኣቦኻ ትወስዶ” በለቶ። 11 ያእቆብ ድማ ንኣዲኡ ርብቃ፡ “ሓወይ ኤሳው ግና ጸጓር ሰብኣይ እዩ፣+ ኣነ ኸኣ ልሙጽ ሰብኣይ እየ። 12 ኣቦይ እንተ ዳህሰሰኒኸ፧+ ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብርግጽ መላገጺ ክኸውን እየ፣ ኣብ ልዕለይ ከኣ ኣብ ክንዲ ምርቓስ፡ መርገም ከምጽእ እየ” በላ። 13 ኣዲኡ ድማ፡ “ወደየ፡ እቲ ንዓኻ እተባህለ መርገምሲ ኣባይ ይብጻሕ። ከምቲ ዝበልኩኻ ግዳ ግበር፡ ኬድካ ኸኣ ኣምጽኣለይ” በለቶ።+ 14 ከይዱ ድማ ወሰደን፡ ንኣዲኡ እውን ኣምጽኣላ፣ ኣዲኡ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ሰርሐት። 15 ድሕርዚ፡ ርብቃ ነቲ ኣብ ቤት ዝነበረ ብሉጽ ክዳውንቲ ኤሳው እቲ ዓብዪ ወዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ እቲ ንእሽቶ ወዳ+ ኸደነቶ። 16 ኣብ ኣእዳዉን ኣብቲ ጸጕሪ ዘይብሉ ኽፋል ክሳዱን ከኣ፡ ቈርበት እተን መሓስእ ገበረትሉ።+ 17 ሽዑ፡ ነቲ ዝሰርሓቶ ጥዑም ብልዕን እንጌራን ንወዳ ያእቆብ ሃበቶ።+ 18 ንሱ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ፡ “ኣቦየ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ። ወደይ ንስኻ መን ኢኻ፧” በለ። 19 ያእቆብ ከኣ ንኣቦኡ፡ “ኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ።+ ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣለኹ። በጃኻ ቕንዕ ኢልካ ኾፍ በል እሞ ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡* ካብዚ ሃዲነ ዘምጻእክዎ ብላዕ” በሎ።+ 20 ይስሃቅ ድማ ንወዱ፡ “ወደየ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኺብካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘጓነፈለይ እዩ” ኢሉ መለሰ። 21 ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ፡ “ወደየ፡ ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ በጃኻ ኽድህስሰካ ቕረብ” በሎ።+ 22 ያእቆብ ከኣ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ቀረበ፣ ንሱ ኸኣ ዳህሰሶ እሞ፡ “ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ፣ ኣእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው እየን” በለ።+ 23 ኣእዳዉ ኸም ኣእዳው ሓዉ ኤሳው ጸጓራት ኰይነን ስለ ዝነበራ፡ ኣየለለዮን። ስለዚ፡ መረቖ።+ 24 ድሕሪኡ፡ “ብሓቂዶ ወደይ ኤሳው ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ፡ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። 25 ንሱ ድማ፡ “ወደየ፡ ካብቲ ሃድን ክበልዕሲ ኣቕርበለይ፣ ድሕሪኡ፡ ክምርቐካ እየ”* በለ። ምስ ኣቕረበሉ፡ ንሱ በልዐ፣ ወይኒ እውን ኣቕረበሉ፡ ንሱ ድማ ሰተየ። 26 ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ “ወደየ፡ በጃኻ ቐሪብካ ስዓመኒ” በሎ።+ 27 ቀሪቡ ድማ ሰዓሞ፣ ንሱ ድማ ጨና ኽዳውንቱ ኣጫነወ።+ ሽዑ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦ “እንሆ፡ ጨና ወደይ ከም ጨና እቲ የሆዋ ዝባረኾ መሮር እዩ። 28 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ኣውሊ ሰማያትን+ ፍርያም ሓመድ ምድርን+ ኣኺሉ ዚተርፍ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ይሃብካ።+ 29 ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ኣህዛብ ድማ ይስገዱልካ። ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ እውን ይስገዱልካ።+ ዚረግመካ ርጉም፡ ዚምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን።”+ 30 ይስሃቅ ንያእቆብ መሪቑ ምስ ወድአ፡ ያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ውጽእ ምስ በለ፡ ሓዉ ኤሳው ካብ ሃድን ተመልሰ።+ 31 ንሱ እውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩ፡ ናብ ኣቦኡ ኣቕረቦ። ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡* ኣቦይ ተንሲኡ ኻብ ሃድን ወዱ ይብላዕ” በሎ። 32 ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ”+ በለ። 33 ሽዑ፡ ይስሃቅ ራዕራዕ በለ፡ “እቲ ሃዲኑ ዘምጽኣለይ ደኣ መን እዩ፧ ቅድሚ ምምጻእካ ድማ ኣነ በሊዐ መሪቐዮ እየ፣ ብርግጽ ድማ ምሩቕ ኪኸውን እዩ” ኸኣ በለ። 34 ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ዓው ኢሉ ኣምሪሩ ገዓረ፣ ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ኣቦየ፡ ንዓይ እውን መርቐኒ” በሎ።+ 35 ንሱ ግና፡ “እቲ ንዓኻ እተባህለ ምርቓስ፡ ሓውካ ኣታሊሉ ወሲድዎ” በሎ። 36 ንሱ ኸኣ፡ “ክልተ ሳዕ ቦታይ ኪወስድሲ፡ ስሙዶ ግዳ ያእቆብ* ኣይተባህለን፧+ ድሮ ብዅርናይ ወሲዱ እዩ፣+ ሕጂ ኸኣ ምርቓይ ወሲዱ!”+ በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንዓይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን፧” በለ። 37 ይስሃቅ ግና ንኤሳው፡ “እንሆ፡ ጐይታኻ ገይረዮ፡+ ኵሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ገላዉኡ ገይረ ሂበዮ፡ ብእኽልን ብጕዕሽ ወይንን ከኣ ኣጸግየዮ እየ።+ ወደየ፡ ንዓኻ ዝገብረልካ ደኣ እንታይ ዝተረፈ ኣልዩ፧” ኢሉ መለሰሉ። 38 ኤሳው ድማ ንኣቦኡ፡ “ኣቦየ፡ ሓንቲ ምርቓ ጥራይ ድያ ዘላትካ፧ ኣቦየ፡ ንዓይ እውን መርቐኒ” በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ።+ 39 ኣቦኡ ይስሃቅ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እንሆ፡ ምቕማጥካ ኻብ ፍርያም ሓመድ ምድሪ ዝረሓቐ ኪኸውን፡ ካብ ኣውሊ ናይ ላዕሊ ሰማያት እውን ዝረሓቐ ኪኸውን እዩ።+ 40 ብሰይፍኻ ኽትነብር ኢኻ፣+ ንሓውካ ድማ ክትግዝኦ ኢኻ።+ ዕረፍቲ ምስ ሰኣንካ ግና፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ።”+ 41 ኤሳው ግና ብምኽንያት እቲ ኣቦኡ ዝመረቖ ምርቓ፡ ንያእቆብ ጸልኦ።+ ኤሳው ከኣ ብልቡ፡ “ንኣቦይ እንሓዝነሉ መዓልትታት ይቐርባ ኣለዋ።+ ሽዑ፡ ንሓወይ ያእቆብ ክቐትሎ እየ” በለ። 42 ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዪ ወዳ ምስ ተነግራ፡ ብኡብኡ ንያእቆብ እቲ ንእሽቶ ወዳ ጸዊዓ፡ “እንሆ፡ ሓውካ ኤሳው ሕነ ኺፈዲ ኢሉ ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ።* 43 ሕጂ ኸኣ ወደየ፡ ከምዚ ዝብለካ ግበር፣ ተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን፡ ናብ ካራን ህደም።+ 44 ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚሃድእ፡ ንግዜኡ ምስኡ ተቐመጥ። 45 ቍጥዓ ሓውካ ኽሳዕ ዚዝሕል፡ እቲ ዝገበርካዮ ድማ ክሳዕ ዚርስዖ ምስኡ ጽናሕ። ሽዑ፡ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጽኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም፧” በለቶ። 46 ድሕርዚ፡ ርብቃ ንይስሃቅ፡ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት፡ ንህይወተይ ፈንፊነያ እየ።+ ያእቆብ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ከምዘን ኣዋልድ እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ሰበይቲ እንተ ወሲዱ፡ ህይወት እንታይ ትዓብሰለይ፧” ትብሎ ነበረት።+ 47 ዮሴፍ ድማ ናብ ፈርኦን ከይዱ፡ “ኣቦይን ኣሕዋተይን ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ዘለዎም ኵሉን ካብ ምድሪ ከነኣን መጺኦም ኣለዉ፣ ኣብ ምድሪ ጎሼን ከኣ ኣለዉ”+ ኢሉ ነገሮ።+ 2 ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣቕረቦም።+ 3 ፈርኦን ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “ስራሕኩም እንታይ እዩ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ ንፈርኦን፡ “ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ጓሶት ኣባጊዕ ኢና” ኢሎም መለሱሉ።+ 4 ሽዑ፡ “ኣብ ምድሪ ከነኣን ጥሜት በርቲዑ እዩ እሞ፡+ መጓሰ ገላዉኻ ዚጓሰያሉ ስለ ዘየልቦ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጓኖት ኴንና ኽንነብር መጺእና ኣለና።+ ሕጂ ኸኣ በጃኻ ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ” በልዎ።+ 5 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ኣቦኻን ኣሕዋትካን መጺኦምኻ ኣለዉ። 6 ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ንኣቦኻን ንኣሕዋትካን ኣብ ዝበለጸ ኽፋል እዛ ምድሪ ኣቐምጦም።+ ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ፣ ካባታቶም ክኢላታት ሰብኡት እትፈልጦም እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ልዕሊ ማለይ ሓላፍነት ሃቦም” በሎ። 7 ሽዑ፡ ዮሴፍ ንኣቦኡ ያእቆብ ኣምጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣቕረቦ፣ ያእቆብ ከኣ ንፈርኦን መረቖ። 8 ፈርኦን ከኣ ንያእቆብ፡ “ዕድሜኻ ኽንደይ እዩ፧” በሎ። 9 ያእቆብ ድማ ንፈርኦን፡ “ከርተት ዝበልኩለን ዓመታት* 130 እየን። ዓመታት ህይወተይ ሒደትን ጭንቅን እየን፣+ ክንዲ እቲ ዓመታት ህይወት ኣቦታተይ ብእዋን ከርተቶም* ኣይኣኽላን እየን” በሎ።+ 10 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ንፈርኦን መሪቑ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ። 11 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ኣስፈሮም፣ ከምቲ ፈርኦን ዝኣዘዞ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ዝበለጸት ክፋል ምድሪ ራዕምሴስ ርስቲ ሃቦም።+ 12 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ንብዘለዉ ቤተ ሰብ ኣቦኡን ከከም ብዝሒ ቘልዑኦም እንጌራ ይምግቦም ነበረ። 13 እቲ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እንጌራ ኣይነበረን፣ ምድሪ ግብጽን ምድሪ ከነኣንን ከኣ ብጥሜት ተወድኣ።+ 14 ዮሴፍ ድማ ነቲ እኽሊ ኺሽምቱ ኸለዉ ዝሃብዎ፡+ ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ከነኣንን እተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ኣከበ፣ ዮሴፍ ከኣ ነቲ ገንዘብ ናብ ቤት ፈርኦን የእትዎ ነበረ። 15 ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ከነኣንን ዝነበረ ገንዘብ ድማ ተወድአ። ኵሎም ግብጻውያን ከኣ ናብ ዮሴፍ እናመጹ፡ “እንጌራ ሃበና! ገንዘብና ስለ እተወድአ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧” ይብልዎ ነበሩ። 16 ዮሴፍ ከኣ፡ “ገንዘብኩም እንተ ተወዲኡ፡ ማልኩም ኣምጽኡ፡ ኣብ ክንዲ ማልኩም ከኣ እንጌራ ኽህበኩም እየ” በሎም። 17 ማሎም ከኣ ናብ ዮሴፍ ኣምጽኡ፣ ዮሴፍ ድማ ኣብ ክንዲ ኣፍራሶምን ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ኣእዱጎምን እንጌራ ሃቦም። በታ ዓመት እቲኣ ድማ ኣብ ክንዲ ዅለን ማሎም እንጌራ ሃቦም። 18 እታ ዓመት እቲኣ ምስ ሓለፈት፡ በታ እትቕጽል ዓመት ናብኡ መጺኦም፡ “ገንዘብን ማልን ንጐይታይ ከም ዝሃብናዮ፡ ንጐይታይ ኣይንሓብኣሉን ኢና። ብዘይካ ገዛእ ርእስናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ገለ እኳ ኣይተረፈን። 19 ንሕናን ምድርናን ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧ ንዓናን ንምድርናን ብእንጌራ ዓድገና፣ ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኸውን። ብህይወት ክንነብር እምበር፡ ከይንመውት፡ ምድርና እውን ከይትባድምሲ፡ ዘርኢ ሃበና” በልዎ። 20 እቲ ጥሜት ኣዝዩ በርቲዑ ነበረ እሞ፡ ኵሉ ግብጻዊ ገግራቱ ስለ ዝሸጠ፡ ዮሴፍ ንዅላ ምድሪ ግብጻውያን ንፈርኦን ክትከውን ዓደጋ፣ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርኦን ኰነት። 21 ሽዑ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ካብቲ ሓደ ወሰን ሃገር ግብጺ፡ ክሳብ እቲ ኻልእ ወሰን፡ ናብ ከተማታት ኣግዓዞ።+ 22 ግደ እቶም ካህናት ካብ ፈርኦን ነበረ እሞ፡ ፈርኦን ዝሃቦም ግደ ስለ እተመገቡ፡ ምድሪ እቶም ካህናት ጥራይ ኣይዓደጋን።+ ስለዚ፡ ንሳቶም ምድሮም ኣይሸጡን። 23 ዮሴፍ ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ “እንሆ፡ ሎሚ ንዓኻትኩምን ንምድርኹምን ንፈርኦን ዓዲገኩም ኣለኹ። እንሆልኩም ዘርኢ፡ ነታ ምድሪ ዝርእዋ። 24 ምስ ኣፍረየት ከኣ፡ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርኦን ሃቡ፣+ ኣርባዕተ ኢድ ከኣ ንዓኻትኩም፡ ንዘርኢ ግራትን ንቐለብኩምን ንቐለብ እቶም ኣብ ቤትኩም ዘለዉን ንቐለብ ቈልዑኹምን ኪኸውን እዩ” በሎም። 25 ንሳቶም ድማ፡ “ህይወትና ኣድሒንካያ ኢኻ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ጐይታይ ደኣ ሞገስ ንርከብ እምበር፡ ንፈርኦን ባሮቱ ኽንከውን ኢና” በሉ።+ 26 ሽዑ፡ ዮሴፍ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርኦን ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ስርዓት ገበረ። ምድሪ ኻህናት ጥራይ ንፈርኦን ኣይኰነትን።+ 27 እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ምድሪ ጎሼን ተቐመጠ።+ ኣብኣ ኸኣ ሰፈሩን ፈረዩን ኣዝዮም በዝሑን።+ 28 ያእቆብ ኣብ ምድሪ ግብጺ 17 ዓመት ነበረ፣ መዓልትታት ህይወት ያእቆብ ከኣ 147 ዓመት ኰነ።+ 29 እስራኤል ድማ ዚሞተላ መዓልቲ ቐረበት።+ ንዮሴፍ ወዱ ጸዊዑ ኸኣ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር እሞ፡ ብተኣማንነት ኣፍቅረንን ተኣማንነት ኣርእየንን። በጃኻ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣይትቕበረኒ።+ 30 ምስ ሞትኩ፡* ካብ ግብጺ ተሰኪምካ ኣብ መቓብር ኣቦታተይ ቅበረኒ” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ከም ዘረባኻ ኽገብር እየ” በሎ። 31 ንሱ ኸኣ፡ “ምሓለለይ” በሎ። መሓለሉ ድማ።+ ሽዑ፡ እስራኤል ኣብ ትርኣስ ዓራቱ ሰገደ።+ 50 ሽዑ፡ ዮሴፍ ኣብ ኣቦኡ ወዲቑ፡+ ኣብ ልዕሊኡ በኸየ፡ ሰዓሞ ድማ። 2 ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ንገላዉኡ፡ ነቶም ሓካይም፡ ንኣቦኡ ኺለኽይዎ ኣዘዞም።+ እቶም ሓካይም ከኣ ንእስራኤል ለኸይዎ፣ 3 ምሉእ መዓልትታት ምልካይ ከምኡ ነበረ እሞ፡ ምሉእ 40 መዓልቲ ወሰዱ። ግብጻውያን ድማ 70 መዓልቲ በኸዩሉ። 4 መዓልትታት ሓዘን ምስ ሓለፋ ኸኣ፡ ዮሴፍ ንሰበ ስልጣን ቤተ መንግስቲ ፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ንፈርኦን እዚ መልእኽቲ እዚ ንገሩለይ፦ 5 ‘ኣቦይ፡ “እንሆ፡ ኣነ እመውት ኣለኹ።+ ኣብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝዀዓትክዋ+ መቓብረይ ቅበረኒ”+ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ደዪበ ንኣቦይ ቀቢረ ኽምለስ፡ በጃኻ ፍቐደለይ።’” 6 ፈርኦን ድማ፡ “ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሓለካ፡+ ንኣቦኻ ቕበሮ” ኢሉ መለሰ። 7 ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ ኪቐብሮ ደየበ፣ ኵሎም ገላዉ ፈርኦንን ዓበይቲ+ ቤተ መንግስቱን ኵሎም ዓበይቲ ምድሪ ግብጽን እውን ምስኡ ደየቡ። 8 ኵሎም ቤተ ሰብ ዮሴፍን ኣሕዋቱን ቤተ ሰብ ኣቦኡን ድማ ደየቡ።+ ቈልዑኦምን ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሓደጉ። 9 ሰረገላታትን+ ፈረሰኛታትን እውን ምስኡ ደየቡ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ኸኣ ነበረ። 10 ናብታ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፣ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕን መሪርን መልቀስ ኣልቀሱ፣ ንሱ ኸኣ ንኣቦኡ ሸውዓተ መዓልቲ ሓዘነሉ። 11 እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ እተገብረ ሓዘን ረኣዩ እሞ፡ “እዚ ዓብዪ ሓዘን ግብጻውያን እዩ” በሉ። ስለዚ፡ ስማ ኣቤል-ሚስራይም* ተባህለ፣ ንሳ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ዘላ እያ። 12 ደቁ ድማ ከምቲ ዝኣዘዞም ገበሩሉ።+ 13 ደቁ ናብ ምድሪ ከነኣን ጾይሮም፡ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፡ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ ኣብርሃም ካብ ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ርስቲ መቓብር ክትከውን ዝዓደጋ ግራት ቀበርዎ።+ 14 ዮሴፍ ንኣቦኡ ምስ ቀበሮ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቱን ምስ ኵሎም እቶም ንኣቦኡ ኪቐብሩ ምስኡ ዝደየቡን ናብ ግብጺ ተመልሰ። 15 ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ “ዮሴፍ ይጸልኣና ይኸውን፡ ስለቲ ዝገበርናዮ ዅሉ ኽፉእ ከኣ ይፈድየና ይኸውን” በሉ።+ 16 ንዮሴፍ ድማ ከምዚ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “ኣቦኻ ቕድሚ ሞቱ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዘ፦ 17 ‘ንዮሴፍ፡ “እልምነካ ኣለኹ፡ ኣበሳ ኣሕዋትካን ንዓኻ ብምጕዳእ ዝገበርዎ ሓጢኣትን በጃኻ ሕደገሎም” በልዎ።’ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ኣበሳ ገላዉ ኣምላኽ ኣቦኻ ሕደገሎም።” ዮሴፍ ከኣ ምስ ተዛረብዎ በኸየ። 18 እቶም ኣሕዋቱ ድማ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ እሞ፡ “እነና፡ ንሕና ባሮትካ ኢና” በልዎ።+ 19 ዮሴፍ ከኣ፡ “ኣይትፍርሁ። ኣነዶ ኣብ ቦታ ኣምላኽ እየ፧ 20 ንስኻትኩም ክትጐድኡኒ እኳ እንተ ሓሰብኩም፡+ ኣምላኽ ግና ከምዚ ሎሚ ዚገብሮ ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ንጽቡቕ እዩ ሓሲብዎ።+ 21 ሕጂ ኸኣ ኣይትፍርሁ። ኣነ ንዓኻትኩምን ንቘልዑኹምን ክምግበኩም እየ” በሎም።+ በዚ ኸምዚ፡ ኣጸናንዖም፡ ልቦም ድማ ኣቕሰነሎም። 22 ዮሴፍ ከኣ፡ ንሱ ምስ ቤተ ሰብ ኣቦኡ ኣብ ግብጺ ተቐመጠ። ዮሴፍ ድማ 110 ዓመት ነበረ። 23 ዮሴፍ ከኣ ንደቂ ኤፍሬም+ ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ፡ ከምኡ ድማ ንደቂ ማኪር+ ወዲ ምናሴ ረኣየ። ንሳቶም ኣብ ኣብራኽ ዮሴፍ ተወልዱ።* 24 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “ኣነ እመውት ኣለኹ፣ ኣምላኽ ግና ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ፣+ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ብርግጽ ኬደይበኩም እዩ” በሎም።+ 25 ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል፡ “ኣምላኽ ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ። ንኣዕጽምተይ ከኣ ካብዚ ኣደይብዎ” ኢሉ ኣምሓሎም።+ 26 ዮሴፍ ድማ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ፡ ሞተ፣ ኣልከይዎ እውን፣+ ኣብ ሳጹን ተገይሩ ኸኣ ኣብ ግብጺ ተነብረ። 13 ኣብራም ከኣ፡ ንሱን ሰበይቱን ዘለዎ ዅሉን ምስ ሎጥ ሓቢሩ፡ ካብ ግብጺ ናብ ነጌብ ኣቢሉ ደየበ።+ 2 ኣብራም ድማ ብማልን ብብሩርን ብወርቅን ኣዝዩ ሃብቲሙ ነበረ።+ 3 ናብታ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ ኽሳዕ ዚበጽሕ፡ ኣብ በቦታኡ እናሰፈረ ኻብ ነጌብ ናብ ቤት-ኤል ተጓዕዘ፣+ 4 እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ኣቐዲሙ መሰውኢ ሰሪሑላ ዝነበረ እያ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ስም የሆዋ ጸውዐ። 5 እቲ ምስ ኣብራም ዚጕዓዝ ዝነበረ ሎጥ እውን፡ ኣባጊዕን ከብትን ድንኳናትን ነበሮ። 6 እታ ምድሪ ኸኣ ብሓደ ኪቕመጡ ኽትጾሮም ኣይከኣለትን፣ ጥሪቶም ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ ብሓደ ኪቕመጡ ኣይከኣሉን። 7 ኣብ መንጎ ጓሶት ማል ኣብራምን ጓሶት ማል ሎጥን ከኣ ባእሲ ዀነ። (በቲ ግዜ እቲ፡ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ።)+ 8 ስለዚ፡ ኣብራም ንሎጥ፡+ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ኣብ መንጎ ጓሶትካን ባእሲ ኣይኹን። 9 ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሜኻዶ የላን፧ በጃኻ፡ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣቢልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን አብል፣ ናብ የማን እንተ ኣቢልካ ኸኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም አብል” በሎ። 10 ሎጥ ከኣ ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ብዘሎ ኸባቢ ዮርዳኖስ+ ክሳዕ ጾዓር፡+ ከም ገነት* የሆዋ፡+ ከም ምድሪ ግብጺ፡ ማይ መሊእዎ ረኣየ። (እዚ ድማ የሆዋ ንሶዶምን ንጎሞራን ቅድሚ ምጥፋኡ እዩ።) 11 ሽዑ፡ ሎጥ ንብዘሎ ኸባቢ ዮርዳኖስ ሓረየ፣ ሎጥ ከኣ ሰፈሩ ናብ ምብራቕ ኣግዓዘ። ንሓድሕዶም ድማ ተፈላለዩ። 12 ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነኣን ተቐመጠ፡ ሎጥ ድማ ኣብ መንጎ እተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ።+ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ድንኳኑ ኣብ ጥቓ ሶዶም ተኸለ። 13 ሰብ ሶዶም ድማ እኩያት፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ ኣዝዮም ሓጥኣን ነበሩ።+ 14 ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ የሆዋ ንኣብራም፡ “በጃኻ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብ ምዕራብን ጠምት፣ 15 ከመይሲ፡ እዛ እትርእያ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህበካ እየ።+ 16 ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ፡ ሓመድ ምድሪ ኪቘጽር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ዘርእኻ ኸኣ ኪቝጸር ይከኣል።+ 17 ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዓኻ ኽህበካ እየ እሞ፡ ተንስእ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ተጐዓዝ” በሎ። 18 ኣብራም ድማ ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ነበረ። ጸኒሑ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን+ ዘሎ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ+ መጺኡ፡ ኣብኡ ተቐመጠ፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ።+ 5 መጽሓፍ ታሪኽ ኣዳም እዚ እዩ። በታ ኣምላኽ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ።+ 2 ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።+ በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ፡+ ባረኾም፡ ሰብ* ኢሉ እውን ሰመዮም። 3 ኣዳም ድማ 130 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ብምስሉን ብመልክዑን ወዲ ወለደ፡ ሴት ኢሉ እውን ሰመዮ።+ 4 ኣዳም ንሴት ምስ ወለደ፡ 800 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 5 ስለዚ፡ ኵሉ መዓልትታት ህይወት ኣዳም 930 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ።+ 6 ሴት ድማ 105 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንሄኖስ+ ወለደ። 7 ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ፡ 807 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 8 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ሴት 912 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 9 ሄኖስ ድማ 90 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንቃይናን ወለደ። 10 ሄኖስ ንቃይናን ምስ ወለደ፡ 815 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 11 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ሄኖስ 905 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 12 ቃይናን ድማ 70 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንመሃላልኤል+ ወለደ። 13 ቃይናን ንመሃላልኤል ምስ ወለደ፡ 840 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 14 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ቃይናን 910 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 15 መሃላልኤል ድማ 65 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንያሬድ+ ወለደ። 16 መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ፡ 830 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 17 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ መሃላልኤል 895 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 18 ያሬድ ድማ 162 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንሄኖክ+ ወለደ። 19 ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ፡ 800 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 20 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ያሬድ 962 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 21 ሄኖክ ድማ 65 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንማቱሳላ+ ወለደ። 22 ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ እውን፡ 300 ዓመት ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ* ተመላለሰ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 23 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ሄኖክ 365 ዓመት ኰነ። 24 ሄኖክ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።+ ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ስለ ዝወሰዶ፡ ኣይተራእየን።+ 25 ማቱሳላ ድማ 187 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ንላሜክ+ ወለደ። 26 ማቱሳላ ንላሜክ ምስ ወለደ፡ 782 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 27 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ማቱሳላ 969 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 28 ላሜክ ድማ 182 ዓመት ገበረ። ድሕሪኡ፡ ወዲ ወለደ። 29 “ኣብዛ የሆዋ ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን ኬጸናንዓና* እዩ”+ ኢሉ ስሙ ኖህ*+ ኣውጽኣሉ። 30 ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ፡ 595 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 31 ስለዚ፡ ኵሉ ዕድመ ላሜክ 777 ዓመት ኰነ፡ ሞተ ኸኣ። 32 ኖህ ወዲ 500 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንሴምን+ ንካምን+ ንያፌትን+ ወለደ። 21 የሆዋ ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ ቘላሕታ ገበረላ፣ የሆዋ ኸኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ።+ 2 ሳራ ድማ ጠነሰት፡+ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ግዜ ኸኣ፡ ንኣብርሃም ኣብ እርጋኑ ወዲ ወለደትሉ።+ 3 ኣብርሃም ድማ ነቲ ሳራ ዝወለደትሉ ወዱ፡ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ።+ 4 ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ገዘሮ።+ 5 ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ 100 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 6 ሳራ ኸኣ፡ “ኣምላኽ ኣስሒቑኒ፣ እዚ ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ ምሳይ ኪስሕቕ* እዩ” በለት። 7 ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “‘ሳራ ብርግጽ ቈልዓ ኸተጥቡ እያ’ ኢሉ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፧ እንሆ ግና፡ ኣብ እርጋኑ ወዲ ወሊደሉ ኣለኹ” በለት። 8 እቲ ውሉድ ከኣ ዓበየ፡ ጡብ እውን ሓደገ፣ በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ፡ ኣብርሃም ዓብዪ ድግስ ገበረ። 9 ሳራ ኸኣ እቲ ኣጋር+ እታ ግብጻዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ንይስሃቅ ኬላግጸሉ ረኣየት።+ 10 ስለዚ፡ ንኣብርሃም፡ “ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ ይስሃቅ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ስጐጎም” በለቶ።+ 11 ኣብርሃም ግና፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝበለቶ ነገር ብዙሕ ኣጕሃዮ።+ 12 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “በቲ ሳራ ብዛዕባ እዚ ወድን ብዛዕባ እዛ ባርያኻን እትብለካ ዘላ ኣይትጕሀ። ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ እሞ፡+ ቃላ ስማዕ። 13 ንወዲ እዛ ባርያ ኸኣ፡+ ዘርእኻ ስለ ዝዀነ፡ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በሎ።+ 14 ኣብርሃም ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ ኸኣ ንኣጋር ሃባ። ኣብ መንኵባ ኣሰኪሙ ድማ፡ ምስቲ ወዲ ብሓባር ገይሩ ሰደዳ።+ ንሳ ኸኣ ከይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤር-ሸባዕ ኰለል ትብል ነበረት።+ 15 እቲ ኣብቲ ሓርቢ ዝነበረ ማይ ድማ ተወድአ፣ ንሳ ኸኣ ነቲ ወዲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኻብቲ ቘጥቋጣት ደርበየቶ። 16 “ሞት እዚ ወዲ ኸይርኢ” ኢላ ድማ ከደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዚኣክል ርሒቓ በይና ተቐመጠት። ርሕቕ ኢላ ተቐሚጣ ኸኣ፡ ዓው ኢላ ኽትበኪ ጀመረት። 17 ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ወዲ ሰምዐ፣+ መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማያት ጸዊዑ፡+ “ኣጋር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ወዲ ኣብታ ዘለዋ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። 18 ነቲ ወዲ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡+ ተንስኢ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ሓዝዮ” በላ። 19 ሽዑ፡ ኣምላኽ ኣዒንታ ኸፈተላ እሞ ዒላ ማይ ረኣየት፣ ከይዳ ኸኣ ነቲ ሓርቢ ማይ መሊኣ ነቲ ወዲ ኣስተየቶ። 20 እቲ ወዲ ኺዓቢ ኸሎ ድማ፡ ኣምላኽ ምስኡ ነበረ።+ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐመጠ፡ ቀስተኛ እውን ኰነ። 21 ኣብ በረኻ ጳራን+ ድማ ይቕመጥ ነበረ፣ ኣዲኡ ኸኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ። 22 በቲ ግዜ እቲ፡ ኣቢሜሌክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ መጺኡ ንኣብርሃም፡ “ኣብ እትገብሮ ዘበለ ዅሉ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ።+ 23 ሕጂ ኸኣ ንዓይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም፡ ንዓይን ነዛ እትነብረላ ዘለኻ ምድርን፡ ከምቲ ኣነ ብተኣማንነት ዘፍቀርኩኻ፡ ከምኡ ኽትገብር ብኣምላኽ ምሓለለይ” በሎ።+ 24 ኣብርሃም ድማ፡ “ኣነ እምሕል” በለ። 25 ኣብርሃም ግና ብዛዕባ እታ ገላዉ ኣቢሜሌክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዒላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ።+ 26 ኣቢሜሌክ ከኣ፡ “ነዚ ነገር እዚ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፣ ንስኻ ድማ ብዛዕባኡ ኣይነገርካንን፣ ኣነ እውን ክሳዕ ሎሚ ብዛዕባኡ ገለ እኳ ኣይሰማዕኩን” ኢሉ መለሰ። 27 ኣብርሃም ድማ፡ ኣባጊዕን ከብትን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሃቦ፣ ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ። 28 ኣብርሃም ካብተን መጓሰኡ ሸውዓተ ሽበን* ምስ ፈለየ፡ 29 ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዘን ሸውዓተ ሽበን ንበይነን ዝፈለኻየን፧” በሎ። 30 ንሱ ድማ፡ “ነዛ ዒላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ ምስክር ምእንቲ ኪዀና፡ እዘን ሸውዓተ ሽበን እዚአን ካብ ኢደይ ተቐበል” በለ። 31 ስለዚ፡ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሓሉ፡ እታ ቦታ እቲኣ ብኤር-ሸባዕ* ተባህለት።+ 32 ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ፣+ ድሕሪኡ ድማ፡ ኣቢሜሌክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ ተንስአ፣ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን እውን ተመልሱ።+ 33 ድሕርዚ፡ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ኦም ዕቦል ተኸለ፣ ኣብኡ ኸኣ ስም የሆዋ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ+ ጸውዐ።+ 34 ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ነዊሕ ግዜ* ተቐመጠ።*+ 15 ድሕርዚ፡ ቃል የሆዋ ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፦ “ኣብራም፡ ኣይትፍራህ።+ ዋልታኻ ኣነ እየ።+ ዓስብኻ ኣዝዩ ብዙሕ ኪኸውን እዩ።”+ 2 ኣብራም ከኣ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ካብ ኣለኹ፡ ንቤተይ ዚወርስ ከኣ ኤልዔዘር+ ብዓል ደማስቆ ኻብ ኰነስ፡ እንታይ እሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ። 3 ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብራም፡ “ገለ ዘርኢ ኣይሃብካንን፡+ ሓደ ኣባል* ቤተ ሰበይ ድማ ኪወርሰኒ እዩ” በለ። 4 እንሆ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ፡ “ወድኻ* ደኣ እዩ ዚወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይኪወርሰካን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 5 ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ “በጃኻ ናብ ሰማያት ጠምት እሞ፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር” በሎ። “ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ድማ በሎ።+ 6 ብየሆዋ ኸኣ ኣመነ፣+ ንሱ ድማ ጽድቂ ገይሩ ቘጸረሉ።+ 7 ሽዑ፡ “ኣነ ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ገይረ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ናይ ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ የሆዋ እየ” ድማ በሎ።+ 8 ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝርስተያ ብምንታይ እፈልጥ፧” በለ። 9 ንሱ ድማ፡ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ባሬቶን ጫቚት ርግብን ኣምጽኣለይ” ኢሉ መለሰሉ። 10 ነዚ ዅሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ከክልተ ቘረጾ፣ ንነፍሲ ወከፍ ምቃል ከኣ ኣብ መንጽር እቲ ኻልእ ኣቐመጦ፣ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቈረጸንን። 11 ሽዑ፡ ኣሞራታት ናብቲ ስጋ ወረዱ፣ ኣብራም ግና ይሰጕጎም ነበረ። 12 ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ፡ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፣ ሽዑ፡ ዜፍርህ ድቕድቕ ጸልማት ወደቖ። 13 ንኣብራም ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን፡ እዚ ብርግጽ ፍለጥ።+ 14 ኣነ ግና ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኽዳንዮ እየ፣+ ድሕሪኡ ድማ፡ ብዙሕ ጥሪት ሒዞም ኪወጹ እዮም።+ 15 ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፣ ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ።+ 16 ስሕተት ኣሞራውያን ገና መስፈሩ ስለ ዘይመልአ፡+ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚ ኺምለሱ እዮም።”+ 17 ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኰነ፡ ዚተክኽ እቶን ተራእየ፡ ብመንጎ እቲ ምቃላት ድማ ሃልሃልታ ፋና ሓለፈ። 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወሉ፦+ “እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ካብ ፈለግ ግብጺ ኽሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡+ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣+ 19 ንሳ ድማ ምድሪ ቄናውያንን+ ቄኒዛውያንን ቃድሞናውያንን 20 ሔታውያንን+ ፈረዛውያንን+ ረፋይምን+ 21 ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን እያ።”+ 22 ድሕርዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኣብርሃም ፈተኖ፣+ “ኣብርሃም” ከኣ በሎ፣ ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በለ። 2 ሽዑ፡ “በጃኻ ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ+ ውሰድ እሞ፡+ ናብ ምድሪ ሞርያ+ ተጐዓዝ፣ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝብለካ ኣኽራን ዚሓርር መስዋእቲ ጌርካ ሰውኣዮ” በሎ። 3 ኣብርሃም ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ኣድጉ ጽዒኑ ኸኣ፡ ክልተ ገላዉኡ ምስኡን ምስ ወዱ ይስሃቅን ወሰደ። ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕንጨይቲ ፈሊጹ ኸኣ፡ ተንሲኡ ናብታ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝበሎ ቦታ ተጓዕዘ። 4 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብርሃም ኣዒንቱ ኣልዒሉ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረኣያ። 5 ኣብርሃም ድማ ንገላዉኡ፡ “ምስዚ ኣድጊ፡ ኣብዚ ጽንሑ፣ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኣምሊኽና ናባኻትኩም ክንምለስ ኢና” በሎም። 6 ኣብርሃም ድማ ነቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕንጨይቲ ወሲዱ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ። ሓውን ካራን ከኣ ብኣእዳዉ ወሰደ፣ ክልቲኦም ድማ ብሓባር ከዱ። 7 ይስሃቅ ከኣ ንኣቦኡ ኣብርሃም፡ “ኣቦየ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ፡ ወደየ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ “ሓውን ዕንጨይትንሲ ኣሎ፣ እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” በለ። 8 ኣብርሃም ድማ፡ “ወደየ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕ+ ኬቕርብ እዩ” በለ። ክልቲኦም ከኣ ብሓባር ከዱ። 9 ናብታ ኣምላኽ ዝበሎ ቦታ ኸኣ በጽሑ፣ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፡ ነቲ ዕንጨይቲ እውን ኣብኡ ጸፍጸፎ። ንወዱ ይስሃቅ ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ኸኣ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንጨይቲ በጥ ኣበሎ።+ 10 ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኻራ ወሰደ።+ 11 መልኣኽ የሆዋ ግና ካብ ሰማያት ጸዊዑ፡ “ኣብርሃም፡ ኣብርሃም” በሎ፣ ንሱ እውን፡ “እነኹ” ኢሉ መለሰ። 12 ንሱ ኸኣ፡ “ሓደ ውሉድካ እኳ ስለ ዘይከላእካኒ፡ ንኣምላኽ ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፡+ ነቲ ወዲ ኣይትጕድኣዮ፡ ገለ እውን ኣይትግበሮ” በለ። 13 ኣብርሃም ድማ ኣዒንቱ ኣልዓለ፣ ክንዮኡ ኸኣ ኣቕርንቱ ኣብ ጣሻ ተጠናኒጉ እተታሕዘ ድዑል ረኣየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኦ። 14 ኣብርሃም ከኣ ነታ ቦታ እቲኣ፡ የሆዋ-ይርኤ* ኢሉ ሰመያ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኽሳዕ ሎሚ፡ “ኣብ ከረን የሆዋ ይቕረብ እዩ” ዚብሃል።+ 15 መልኣኽ የሆዋ ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማያት ንኣብርሃም ጸውዖ፡ 16 ከምዚ እውን በሎ፦ “‘ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፡’ ይብል የሆዋ፡+ ‘እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበርካን ነቲ ሓደ ወድኻ ስለ ዘይከላእካንን፡+ 17 ብርግጽ ክባርኸካ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማያትን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻን ብርግጽ ከብዝሖ እየ፣+ ዘርእኻ ኣፍ ደገ* ጸላእቱ ኺርስተ እዩ።+ 18 ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ+ በረኸት ኪረኽቡ* እዮም።’”+ 19 ድሕሪኡ፡ ኣብርሃም ናብ ገላዉኡ ተመልሰ፣ ተንሲኦም ከኣ ብሓባር ናብ ብኤር-ሸባዕ ከዱ፣+ ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተቐመጠ። 20 ድሕርዚ፡ ንኣብርሃም፡ “እንሆ፡ ሚልካ ንሓውካ ናሆር ደቂ ወሊዳትሉ፣+ 21 ንሳቶም ድማ፡ ዑጽ እቲ በዅሩን ሓዉ ቡዝን ቄሙኤል ኣቦ ኣራምን 22 ከሰድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን+ እዮም” ተባሂሉ ተነግሮ። 23 ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ።+ እዚኣቶም ሸሞንቲኦም ሚልካ ንናሆር ሓው ኣብርሃም ወለደትሉ። 24 ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ እውን፡ ደቂ ወለደትሉ፣ ንሳቶም ድማ፡ ጤባሕን ጋሓምን ታሓሽን ማዓካን እዮም። 42 ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጠ፡+ ንደቁ፡ “ስለምንታይ ስቕ ኢልኩም ትጠማመቱ፧” በሎም። 2 ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ። ብህይወት ክንነብር እምበር ከይንመውትሲ፡ ናብኣ ወሪድኩም ሸምቱልና” በሎም።+ 3 እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ+ ከኣ እኽሊ ኺሽምቱ ናብ ግብጺ ወረዱ። 4 ያእቆብ ግና፡ ንብንያም ሓው ዮሴፍ፡ “ድንገት ከይረኽቦ” ኢሉ፡+ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን።+ 5 እቲ ጥሜት ናብ ምድሪ ከነኣን ስለ ዝሰፍሐ፡ ደቂ እስራኤል ምስቶም ካልኦት ዚሽምቱ ዀይኖም መጹ።+ 6 ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ስልጣን ዝነበሮ ድማ ዮሴፍ ነበረ፣+ ንዅሉ ህዝቢ ምድሪ፡ እኽሊ ዚሸይጥ እውን ንሱ ነበረ።+ ኣሕዋት ዮሴፍ ከኣ መጹ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ።+ 7 ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ምስ ረኣዮም፡ ብኡብኡ ኣለለዮም፣ መንነቱ ግና ሓብኣሎም።+ ኣበርቲዑ ኸኣ ተዛረቦም፡ “ካበይ ዝመጻእኩም ኢኹም፧” ድማ በሎም፣ ንሳቶም ከኣ፡ “ካብ ምድሪ ከነኣን ምግቢ ኽንዕድግ” በልዎ።+ 8 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ ኣለለዮም፣ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን። 9 ዮሴፍ ድማ ብኡብኡ ነቲ ብዛዕባኦም ዝሓለሞ ሕልምታት ዘከረ እሞ፡+ “ንስኻትኩም ሰለይቲ ኢኹም! እተቓልዐ ሸነኽ እዛ ምድሪ እዚኣ* ኽትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም!” በሎም። 10 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይፋልናን ጐይታይ፡ ገላዉኻስ ምግቢ ኺዕድጉ ደኣ እዮም መጺኦም። 11 ንሕና ዅላትና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። ንሕና ቕኑዓት ኢና። ገላዉኻ ሰለይቲ ኣይኰኑን” በልዎ። 12 ንሱ ግና፡ “ኣይፋልኩምን! እተቓልዐ ሸነኽ እዛ ምድሪ እዚኣ ደኣ ኽትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም!” በሎም። 13 ንሳቶም ከኣ፡ “ገላዉኻ 12 ኣሕዋት እዮም።+ ንሕና ደቂ ሓደ ኣብ ከነኣን ዚነብር ሰብኣይ ኢና፣+ እቲ ሕሳስ ልደ ምስ ኣቦና ኣሎ፡+ እቲ ሓደ ኸኣ የሎን” በልዎ።+ 14 ዮሴፍ ግና ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ‘ንስኻትኩም ሰለይቲ ኢኹም!’ 15 በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም፦ ከምቲ ፈርኦን ህያው ዝዀነ፡ እቲ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ናብዚ ኸይመጸ፡ ካብዚ ኣይክትከዱን ኢኹም።+ 16 ንስኻትኩም ኣብዚ ተኣሲርኩም ከለኹም፡ ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ኬምጽእ ስደዱ። በዚ ኸምዚ፡ ሓቂ ትዛረቡ እንተ ኣለኹም፡ ዘረባኹም ይፍተን። እንተ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ፈርኦን ህያው ዝዀነ፡ ሰለይቲ ኢኹም።” 17 ሽዑ፡ ሰለስተ መዓልቲ ብሓደ ኣሰሮም። 18 ድሕርዚ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ዮሴፍ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ንኣምላኽ እፈርሆ እየ እሞ፡ እዚ ግበሩ፡ ብህይወት ድማ ትነብሩ። 19 ቅኑዓት እንተ ዄንኩም፡ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ተኣሲሩ ይጽናሕ፣ ዝተረፍኩም ግና ኬድኩም ነቶም ጠምዮም ዘለዉ ቤተ ሰብኩም ዚኸውን እኽሊ ኣብጽሑ።+ 20 ድሕሪኡ፡ ነቲ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ናባይ ኣምጽእዎ እሞ ዘረባኹም ኪእመን እዩ፣ ኣይትሞቱን ድማ።” ንሳቶም ከኣ ከምኡ ገበሩ። 21 ንሓድሕዶም ድማ፡ “ብርግጽ ብሰሪ ሓውና ኢና እንቕጻዕ ዘለና፣+ ከመይሲ፡ ክንርሕርሓሉ ኺልምነና ኸሎ፡ ጭንቁ* ርኢናስ ኣይሰማዕናዮን። ስለዚ ኸኣ እዩ እዚ ጭንቂ እዚ ዚበጽሓና ዘሎ” ተባሃሃሉ። 22 ሮቤል ከኣ፡ “‘ነዚ ቘልዓ እዚ ኣይትበድልዎ’ ኢለኩምዶ ኣይነበርኩን፧ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን።+ ሕጂ ደሙ ብርግጽ ይድለ ኣሎ”+ ኢሉ መለሰሎም። 23 ኣብ መንጎኦም ኣስተርጓሚ ነበረ እሞ፡ ዮሴፍ ከም እተረድኦም ኣይፈልጡን ነበሩ። 24 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ኣልጊሱ በኸየ።+ ተመሊሱ ኸም ብሓድሽ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ ንስምኦን+ ካባታቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣሰሮ።+ 25 ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ነቲ ኸረጺታቶም ብእኽሊ ኺመልኡሎምን ነቲ ገንዘቦም ኣብ ከከረጺቶም ኪመልሱሎምን ንመገዲ ስንቂ ኺህብዎምን ኣዘዘ። ከምኡ ኸኣ ተገብረሎም። 26 እኽሎም ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም ድማ ካብኡ ኸዱ። 27 ኣብ መሕደሪ ኸኣ ሓደ ኻባታቶም ንኣድጉ ድርቋ ኺህብ ከረጺቱ ምስ ከፈተ፡ ነቲ ገንዘቡ ኣብ ኣፍ ከረጺቱ ረኣዮ። 28 ንኣሕዋቱ ድማ፡ “ገንዘበይ ተመሊሱ፡ እንሆ ኸኣ ኣብ ከረጺተይ!” በሎም። ሽዑ፡ ልቦም መለቘ፡ ራዕራዕ እናበሉ ኸኣ፡ “እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ፧” ተባሃሃሉ። 29 ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ መጹ ድማ፡ ዝበጽሖም ኵሉ ኸምዚ ኢሎም ነገርዎ፦ 30 “እቲ ጐይታ እታ ሃገር ዝዀነ ሰብኣይ ኣበርቲዑ ተዛረበና፡+ ከም ሰለይቲ እታ ሃገር ገይሩ እውን ረኣየና። 31 ንሕና ግና፡ ‘ንሕና ቕኑዓት ኢና። ሰለይቲ ኣይኰንናን።+ 32 ንሕና 12 ኣሕዋት፡+ ደቂ ኣቦና ኢና። እቲ ሓደ የሎን፡+ እቲ ሕሳስ ልደ ድማ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣሎ’+ በልናዮ። 33 እቲ ጐይታ እታ ሃገር ዝዀነ ሰብኣይ ግና፡ ‘ቅኑዓት ምዃንኩም በዚ ኽፈልጥ እየ፦ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ይጽናሕ።+ ነቶም ጠምዮም ዘለዉ ቤተ ሰብኩም ዚኸውን ድማ ሒዝኩም ኪዱ።+ 34 ቅኑዓት እምበር፡ ሰለይቲ ዘይምዃንኩም ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ነቲ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ናባይ ኣምጽእዎ። ሽዑ፡ ሓውኩም ክህበኩም እየ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እውን ትነግዱ’ በለና።” 35 ከከረጺቶም ኪግልብጡ ኸለዉ ኸኣ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕፉዳ ገንዘብ ኣብ ከከረጺቱ ነበረ። ንሳቶምን ኣቦኦምን ነቲ ማሕፉዳ ገንዘቦም ምስ ረኣዩ፡ ፈርሁ። 36 ኣቦኦም ያእቆብ ድማ፡ “ውሉድ ዘይብለይ ጌርኩምኒ!+ ዮሴፍ የሎን፡+ ስምኦን ከኣ የሎን፡+ ንብንያም ድማ ክትወስድዎ ኢኹም! እዚ ዅሉ ኣባይ እዩ በጺሑ!” በሎም። 37 ሮቤል ግና ንኣቦኡ፡ “ኣነ ናባኻ እንተ ዘይመሊሰዮ፡ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተል።+ ንዓይ ሕድሪ ሃበኒ፡ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ እየ” በሎ።+ 38 ንሱ ግና፡ “ሓዉ ሞይቱ፡ ንሱ ኸኣ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፡ ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይኪወርድን እዩ።+ ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ድንገት እንተ ረኺብዎ፡ ሽዑ ብርግጽ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ መቓብር*+ ከተውርድዎ ኢኹም” በሎም።+ 39 ንዮሴፍ ከኣ ናብ ግብጺ ኣውረድዎ፣+ ጶጢፋር ዚብሃል ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ፈርኦንን ሓለቓ ዘብዐኛታትን ዝነበረ ግብጻዊ+ ድማ ካብ ኢድ እቶም ናብኡ ዘውረድዎ እስማኤላውያን+ ዓደጎ። 2 የሆዋ ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ።+ ስለዚ፡ ዕዮኡ ቐንዓሉ፣ ኣብ ቤት እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ድማ ሓላፍነት ተዋህቦ። 3 ጐይታኡ ኸኣ፡ የሆዋ ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ የሆዋ ኸም ዜቕንዓሉን ረኣየ። 4 ዮሴፍ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሞገስ ይረክብ ነበረ፣ ብሕታዊ ኣገልጋሊኡ እውን ኰነ። ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸኣ ሸሞ፣ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢዱ ሃቦ። 5 ኣብ ልዕሊ ቤቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘለዎን ካብ ዝሸሞ ግዜ ጀሚሩ፡ የሆዋ ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኻ፣ ኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት የሆዋ ነበረ።+ 6 ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ፣ ብዘይካ እታ ዚበልዓ እንጌራ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓስብን ነበረ። ዮሴፍ ከኣ ጽቡቕ ዝቕርጹን መልክዐኛን ኰነ። 7 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ሰበይቲ ጐይታኡ ንዮሴፍ ዓይና ኸተውድቐሉን “ምሳይ ደቅስ” ክትብሎን ጀመረት። 8 ንሱ ግና ኣበየ፣ ንሰበይቲ ጐይታኡ ድማ፡ “እንሆ፡ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፣ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ። 9 ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚዓቢ የልቦን፣ ሰበይቱ ስለ ዝዀንኪ ድማ፡ ብዘይካኽስ ገለ እኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረ ደኣ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” በላ።+ 10 መዓልቲ መዓልቲ ንዮሴፍ ትዛረቦ ነበረት፣ ንሱ ግና ምስኣ ኺድቅስ ወይ ምስኣ ኺጸንሕ ፍቓደኛ ኣይኰነን። 11 ግናኸ፡ ሓደ መዓልቲ ዕዮኡ ኺገብር ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ኣብታ ቤት ካብ ገላዉ እታ ቤት ዋላ ሓደ ኣይነበረን። 12 ሽዑ፡ ብኽዳኑ ኣጽኒዓ ሒዛ፡ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ፡ ናብ ግዳም ሃደመ። 13 ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ ናብ ግዳም ከም ዝሃደመ ምስ ረኣየት፡ 14 ኣእውያ ንሰብ ቤታ ጸዊዓ፡ “እንሆ፡ መስሓቕ ኪገብረናስ፡ ነዚ እብራዊ እዚ ኣምጺኡልና። ንሱ ድማ ምሳይ ኪድቅስ ናባይ መጸ፣ ኣነ ኸኣ ዓው ኢለ ኣእወኹ። 15 ድምጸይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእወኹ ምስ ሰምዐ፡ ክዳኑ ሓዲጉ ናብ ግዳም ሃዲሙ” በለቶም። 16 ጐይታኡ ናብ ቤቱ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ፡ ነቲ ኽዳኑ ምስኣ ኣንበረቶ። 17 ከምዚ ዘረባ እዚ ኢላ ኸኣ ነገረቶ፦ “እቲ ዘምጻእካልና እብራዊ ጊልያ፡ መስሓቕ ኪገብረኒ ናባይ መጺኡ። 18 ድምጸይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእወኹ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ ናብ ግዳም ሃዲሙ።” 19 ጐይታኡ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ “ጊልያኻ ኸምዚ ገይሩኒ” ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ምስ ሰምዐ፡ ቍጥዓኡ ነደደ። 20 ጐይታ ዮሴፍ ድማ ወሲዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ፡ ናብታ እቶም እሱራት ንጉስ ዚእሰሩላ ቦታ፡ ኣእተዎ፣ ኣብኣ ኸኣ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ነበረ።+ 21 የሆዋ ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፣ ብተኣማንነት ከኣ የፍቅሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ሞገስ ይህቦ ነበረ።+ 22 እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ንዮሴፍ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ዅሎም እሱራት ሸሞ፣ ኣብኡ ዚገብርዎ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ ትሕቲኡ ይግበር ነበረ።+ 23 የሆዋ ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ዚገብሮ ዘበለ እውን የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ እሞ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ዝነበረ ብገለ እኳ ኣይሓልን ነበረ።+ 17 ብዘሎ እቲ ኣኼባ እስራኤላውያን ከም ትእዛዝ የሆዋ+ ኻብ በረኻ ሲን ነቒሎም፡+ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ።+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ዚሰትዮ ማይ ኣይነበሮን። 2 እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑ።+ ሙሴ ኸኣ፡ “ስለምንታይ ምሳይ ትቋየቑ ኣለኹም፧ ስለምንታይከ ንየሆዋ ትፍትንዎ ኣለኹም፧” በሎም።+ 3 እቶም ህዝቢ ግና ኣብኡ ማይ ኣዝዮም ጸሚኦም ነበሩ እሞ፡ “ንዓናን ንደቅናን ንማልናን ብጽምኢ ኽትቀትልሲ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደዪብካና፧” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።+ 4 ሙሴ ድማ፡ “ነዚ ህዝቢ እዚ እንታይ ክገብሮ እየ፧ ቍሩብ ጸኒሖም ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኒ እዮም” ኢሉ ናብ የሆዋ ጠርዐ። 5 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ናብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ገለ ኻብ ዓበይቲ እስራኤል ምሳኻ ውሰድ፣ ነታ ንፈለግ ኒል ዝወቓዕካላ በትርኻ+ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካያ ኺድ። 6 እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ውቕዓዮ፣ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፣ እቶም ህዝቢ እውን ኪሰትይዎ እዮም” በሎ።+ ሙሴ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ። 7 እስራኤላውያን ስለ እተቛየቑን “የሆዋ ኣብ ማእከልና ኣሎዶ የሎን፧” ኢሎም ንየሆዋ ስለ ዝፈተንዎን፡+ ነታ ቦታ እቲኣ ማሳን*+ መሪባን*+ ኢሉ ሰመያ። 8 ሽዑ፡ ኣማሌቃውያን+ መጺኦም፡ ኣብ ረፊዲም ምስ እስራኤል ተዋግኡ።+ 9 ሙሴ ድማ ንእያሱ፡+ “ሰብኡት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ጽባሕ፡ በትሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ” በሎ። 10 እያሱ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፣+ ምስ ኣማሌቃውያን ድማ ተዋግአ። ሙሴን ኣሮንን ሑርን+ ከኣ ናብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደየቡ። 11 ሙሴ ኣእዳዉ ኼልዕል ከሎ፡ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፣ ኣእዳዉ ኼውርድ ከሎ ግና፡ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ። 12 ኣእዳው ሙሴ ምስ ረብረባ፡ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣንበሩ እሞ፡ ኣብኡ ተቐመጠ። ሽዑ፡ ኣሮንን ሑርን፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ዀይኖም፡ ንኣእዳዉ ደገፍወን፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ከኣ ኣእዳዉ ጸንዓ። 13 ስለዚ፡ እያሱ ንኣማሌቅን ንህዝቡን ብሰይፊ ሰዓሮም።+ 14 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎ፡ ንእያሱ እውን ድገመሉ፦ ‘ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማያት ፈጺመ ኽድምስሶ እየ’” በሎ።+ 15 ሽዑ፡ ሙሴ መሰውኢ ሰርሐ፡ የሆዋ-ኒሲ* ኢሉ ኸኣ ሰመዮ፣ 16 ከመይሲ፡ “ኢዱ ኣንጻር ዝፋን ያህ ተላዒላ እያ እሞ፡+ የሆዋ ንውሉድ ወለዶ ምስ ኣማሌቅ ኪዋጋእ እዩ” ኢሉ ነበረ።+ 30 “ዕጣን ዚዕጠነሉ መሰውኢ ግበር፣+ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ግበሮ።+ 2 ሓደ እመት* ዝንውሓቱን ሓደ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ይኹን፣ ቍመቱ ድማ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን።+ 3 ላዕሉን ብዙርያኡ ዘሎ ጐድንታቱን ኣቕርንቱን ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ግበረሉ። 4 ክልተ ቐለቤት ወርቂ ግበረሉ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፍ* ብኽልቲኡ ሸነኹ ግበሮ፣ እቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት ከኣ ኣብኡ ይእቶ። 5 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ ዘንግታት ግበር እሞ፡ ብወርቂ ለብጦ። 6 ኣብ ቅድሚ እቲ ጥቓ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ዝግለጸልካ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደኒ ኣንብሮ።+ 7 “ንግሆ ንግሆ ቐነዲል ኬዳሉ ኸሎ፡+ ኣብኡ ኣሮን+ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን+ ይዕጠን።+ 8 ጽልግልግ ምስ በለ* እሞ፡ ኣሮን ቀነዲል ኬብርህ ከሎ እውን ይዕጠን። እዚ ወትሩ ንወሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቐርብ ዕጣን እዩ። 9 ዘይተፈቕደ ዕጣን፡+ ወይ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ወይ መስዋእቲ እኽሊ ኣብኡ ኣይተቕርቡ፣ መስዋእቲ መስተ እውን ኣብ ልዕሊኡ ኣይተፍስሱ። 10 ኣሮን ድማ ኣብቲ ኣቕርንቱ፡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕ።+ በቲ ኻብ ደም እቲ ናይ ዕርቂ መስዋእቲ ሓጢኣት ገይሩ፡+ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቆ። ንሱ ንየሆዋ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።” 11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12 “ቈጸራ ጌርካ ንደቂ እስራኤል ክትቈጽሮም ከለኻ፡+ ኪምዝገቡ ኸለዉ መዓት ምእንቲ ኸይመጾም፡ ኣብ ዚቝጸሩሉ እዋን ነፍሲ ወከፍ በጃ ህይወቱ* ንየሆዋ ይሃብ። 13 ኵሎም እቶም እተመዝገቡ፡ ብሲቃል መቕደስ፡*+ ፍርቂ ሲቃል* ይሃቡ። ሓደ ሲቃል፡ ዕስራ ጌራ* እዩ። ንየሆዋ ዚውሃብ መባእ ከኣ፡ ፍርቂ ሲቃል እዩ።+ 14 ወዲ 20 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዀነ እተመዝገበ ዘበለ ዅሉ፡ መባእ የሆዋ ይሃብ።+ 15 ንህይወትኩም* ንምትዕራቕ ንየሆዋ መባእ ክትህቡ ኸለኹም፡ ሃብታም ካብ ፍርቂ ሲቃል* ኣየብዝሕ፡ ድኻ ኸኣ ኣየውሕድ። 16 ነቲ ናይ ዕርቂ ገንዘብ ብሩር ካብ እስራኤላውያን ወሲድካ፡ ንእስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም መዘከርታ፡ ንምትዕራቕ ህይወትኩም* ምእንቲ ኪኸውን፡ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኪኸውን ሃብ።” 17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 18 “ካብ ነሓሲ ንመሕጸቢ ዚኸውን ገበራን ኣጋሮኡን ግበር፣+ ኣብ መንጎ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢርካ ኸኣ፡ ማይ ኣዕርቐሉ።+ 19 ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኣብኡ ይተሓጸቡ።+ 20 ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ንየሆዋ መስዋእቲ ሓዊ ብምሕራር ኬገልግሉ ናብቲ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ምእንቲ ኸይሞቱስ ብማይ ይተሓጸቡ። 21 ምእንቲ ኸይሞቱስ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓጸቡ፣ እዚ ኸኣ ንዓታቶም፡ ንዕኡን ንዘርኡን፡ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ሓዋሩ ስርዓት ይኹን።”+ 22 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 23 “ድሕርዚ፡ ብሉጽ ጥዑም ጨና ውሰድ፦ 500 ሲቃል ዝደረቐ ኸርበ፡ ፍርቁ ኸኣ፡ ማለት 250 ሲቃል ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ 250 ሲቃል ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ፡ 24 ብሲቃል መቕደስ*+ ከኣ 500 ሲቃል ካብ ቃስያ፡* ሓደ ሂን* ዘይቲ ኣውልዕ። 25 ብእኡ ኸኣ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበር፣ ብውሕሉል መገዲ ኺዋሃሃድ ኣለዎ።*+ ንሱ ቕዱስ ዘይቲ ቕብኣት እዩ። 26 “ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ታቦት ምስክርን ቅብኣዮ፣+ 27 ነቲ ሰደቓን ንዅሉ እቲ ኣቕሑኡን ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ንዅሉ እቲ ኣቕሑኡን ነቲ መሰውኢ ዕጣንን 28 ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን እውን ቅብኣዮ። 29 ቅዱስ ቅዱሳን ምእንቲ ኪኸውን ድማ ቀድሶ።+ ዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይቕደስ።+ 30 ንኣሮንን+ ንደቁን+ ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ቕብኣዮምን ቀድሶምን።+ 31 “ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹነለይ።+ 32 ኣብ ስጋ ሰብ ኣይለኸ፣ ከምቲ ኣቃምማኡ ጌርኩም ድማ ካልእ ኣይትግበሩ። ንሱ ቕዱስ እዩ። ንዓኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን። 33 ከምኡ ዝበለ ቕብኢ ዚገብርን ንዘይተፈቕደሉ ሰብ* ዚለክን ዘበለ፡ ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።’”+ 34 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ካብዚ ጥዑም ጨናታት፡ ማለት ካብ ቅዲትን ሸኸለትን ከልበናን ጽሩይ ጻዕዳ ዕጣንን ማዕረ ማዕረ ጌርካ ውሰድ።+ 35 ንዕኡ ኸኣ ዕጣን ግበሮ፣+ እቲ እተቐመመ ሽቱ ብውሕሉል መገዲ ኺዋሃሃድ፡* ጨው ኪግበረሉ፡+ ጽሩይን ቅዱስን ድማ ኪኸውን ኣለዎ። 36 ገለ ኻብኡ ኣድኪምካ ጕዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ዝግለጸልካ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንብሮ። ንዓኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። 37 በዚ ኣቃምማ እዚ ጌርኩም ንዓኻትኩም ኣይትግበሩ።+ ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹነልካ። 38 ኬጫንዎ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር ዘበለ፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።” 35 ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣኪቡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እቲ የሆዋ ኺግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፦+ 2 ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ቅድስቲ፡ ንየሆዋ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡ ትኹነልኩም።+ ብእኣ ዕዮ ዚዓዪ ዘበለ ዅሉ፡ ይቀተል።+ 3 ኣብቲ እትነብሩሉ ዅሉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይትእጐዱ።” 4 ሙሴ ኸኣ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ከምዚ በለ፦ “እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ እዚ እዩ፦ 5 ‘ካባኻትኩም ንየሆዋ መባእ ውሰዱ።+ ነፍሲ ወከፍ ብፍታው ልቢ+ ንየሆዋ እዚ ዚስዕብ መባእ የምጽእ፦ ወርቂ፡ ብሩር፡ ነሓሲ፡ 6 ሰማያዊ ፈትሊ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ፡ ውጹእ ቀይሕ ፈትሊ፡ ቅጭን በፍታ፡ ጸጕሪ ጤል፡+ 7 ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል፡ ቈራብቲ ታሓሽ፡* ዕንጨይቲ ሰራው፡ 8 ንቐንዴል ዚኸውን ዘይቲ፡ ንዘይቲ ቕብኣትን ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን ዚኸውን በለሳን፡+ 9 ኣብ ኤፎድን+ ኣብ ልብሲ ኣፍ ልብን+ ዚኸውን ኣእማን ኦኒክስን ካልእ ኣእማንን። 10 “‘ኵሎም እቶም ካባኻትኩም ክኢላታት*+ ዝዀኑ ይምጽኡ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኸኣ ይግበሩ፣ 11 እዚ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ምስ ድንኳኑን መኽደኒኡን፡ መቘለፊታቱን* እቲ መቓናት ሉሑን፡ ተገዳማቱ፡ ኣዕኑዱን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን፣ 12 እቲ ታቦትን+ ዘንግታቱን፡+ እቲ መኽደንን+ እቲ ዚጋርድ መጋረጃን፣+ 13 እቲ ሰደቓን+ ዘንግታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን እቲ እንጌራ ምርኣይን፣+ 14 እቲ ዜብርህ ቀዋሚ ቐንዴልን+ ኣቕሑኡን ቀነዲሉን ንምብራህ ዚኸውን ዘይትን፣+ 15 እቲ መሰውኢ ዕጣንን+ ዘንግታቱን፣ እቲ ዘይቲ ቕብኣትን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፣+ እቲ ንኣፍ ደገ ማሕደር ዚኸውን መጋረዲ፣* 16 እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን+ ናይ ነሓሲ ርበኡን ዘንግታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን፣ እቲ ገበራን ኣጋሮኡን፣+ 17 እቲ መኸወሊታት* ኣጸድን+ ኣዕኑዱን ዚስኵዓሉ መቘሚታትን፣ እቲ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ኣጸድ፣ 18 እቲ ሽኻላት ማሕደርን ሽኻላት ኣጸድን ኣግማዱን፣+ 19 እቲ ኣብ መቕደስ ንምግልጋል ዚኸውን ጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንቲ፡+ ንኣሮን እቲ ኻህን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ፡+ ደቁ ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ።’” 20 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጸ። 21 ሽዑ፡ ልቡ ዝደረኾ+ ዘበለ ዅሉን መንፈሱ ዘለዓዓሎ ዘበለ ዅሉን መጸ፣ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንዅሉ ቕዱስ ክዳውንትን ዚኸውን ከኣ ንየሆዋ መባእ ኣምጽኡ። 22 ፍታው ልቢ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ወለባታት ክዳንን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ካልእ ስልማትን ኵሉ ዓይነት ኣቕሑ ወርቅን ሒዞም ይመጹ ነበሩ። ኵላቶም ድማ ህያብ* ወርቂ ንየሆዋ ኣቕረቡ።+ 23 ኵሎም እቶም ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ቅጭን በፍታን ጸጕሪ ጤልን ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑልን ቈራብቲ ታሓሽን* ዝነበሮም ኣምጽእዎ። 24 ኵሎም እቶም ንመባእ የሆዋ ብሩርን ነሓስን ዚህቡን ኵሎም እቶም ንዝዀነ ኽፋል እቲ ዕዮ ዚኸውን ዕንጨይቲ ሰራው ዝነበሮምን ከኣ ኣምጽእዎ። 25 ኵለን እተን ክኢላታት ኣንስቲ+ ድማ ብኣእዳወን ፈቲለን፡ ነቲ ዝፈተላኦ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ቅጭን በፍታን ኣምጽኣኦ። 26 ኵለን እተን ልበን ዝደረኸን ክኢላታት ኣንስቲ ኸኣ፡ ጸጕሪ ጤል ፈተላ። 27 እቶም ሹማምንቲ ድማ ኣብ ኤፎድን ኣብ ልብሲ ኣፍ ልብን ዚኸውን ኣእማን ኦኒክስን ካልእ ኣእማንን ኣምጽኡ፣+ 28 ዘይቲ በለሳንን ንምብራህን ንዘይቲ ቕብኣትን+ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ ዚኸውን ዘይትን እውን ኣምጽኡ። 29 ልቦም ዘለዓዓሎም ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ የሆዋ ኺግበር ኢሉ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ዕዮ ዚኸውን ነገራት ኣምጽኡ፣ እስራኤላውያን ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ኣምጽእዎ።+ 30 ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ የሆዋ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ በሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሑር፡ ሓርይዎ ኣሎ።+ 31 ንዕኡ ኸኣ ብመንፈስ ኣምላኽ መሊእዎ፡ ጥበብን ኣእምሮን ፍልጠትን ድማ ሂብዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንዅሉ ኢደ ጥበብ፡ 32 ንምንዳፍ፡ ብወርቅን ብብሩርን ብነሓስን ንምዕያይ፡ 33 ንምውቃርን ንምስራዕን ኣእማን፡ ኵሉ ዓይነት ፍርያት ዕንጨይቲ ብብልሓት ንምግባር ዚዀኖ እዩ። 34 ኪምህር ድማ ኣብ ልቡ ኣንቢሩሉ ኣሎ፣ ንዕኡ፡ ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝዀነ ኦሆልያብ+ ወዲ ኣሒሳማክ እውን ከምኡ። 35 ንዓታቶም ኵሉ ዕዮ ኢደ ጥበብ ኪዓይዩ፡ ኪጠልፉ፡ ብሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ብዝሕብሩ ጸምርን ብውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብቕጭን በፍታን ኪኣልሙ፡ ብኻልእ እውን ኪኣልሙ ብኽእለት*+ መልኦም። እዞም ሰባት እዚኦም ኵሉ ዕዮ ኺዓይዩን ኵሉ ንድፊ ኼዳልዉን እዮም። 31 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “እንሆ፡ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ በሳልኤል+ ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሑር፡ ሓርየዮ* ኣለኹ።+ 3 ብመንፈስ ኣምላኽ ድማ ክመልኦ፡ ጥበብን ኣእምሮን ፍልጠትን ከኣ ክህቦ እየ፣ እዚ ድማ ንዅሉ ኢደ ጥበብ፡ 4 ንምንዳፍ፡ ብወርቅን ብብሩርን ብነሓስን ንምዕያይ፡ 5 ንምውቃርን ንምስራዕን ኣእማን፡+ ኵሉ ዓይነት ፍርያት ዕንጨይቲ ንምግባር ዚዀኖ እዩ።+ 6 ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝዀነ ኦሆልያብ+ ወዲ ኣሒሳማክ ከኣ፡ ንዕኡ ኺሕግዞ ሸይመዮ ኣለኹ። ኣብ ልቢ ዅሎም እቶም ክኢላታት* ጥበብ ኣንቢረ ኣለኹ፣ እዚ ድማ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ምእንቲ ኺገብሩ፡+ 7 ማለት እቲ ድንኳን ምርኻብ፡+ እቲ ታቦት ምስክርን+ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደንን፡+ ኵሉ እቲ ኣቕሑ ድንኳን፡ 8 እቲ ሰደቓን+ ኣቕሑኡን፡ እቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ዚግበር ቀዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቕሑኡን፡+ እቲ መሰውኢ ዕጣን፡+ 9 እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን+ ኵሉ ኣቕሑኡን፡ እቲ ገበራን ኣጋሮኡን፡+ 10 እቲ ጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንቲ፡ እቲ ንኣሮን እቲ ኻህን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ፡ ደቁ ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ፡+ 11 እቲ ዘይቲ ቕብኣት፡ እቲ ንመቕደስ ዚኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ኪገብሩ እዩ።+ ንዅሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ይግበርዎ።” 12 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 13 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ኣነ የሆዋ እቕድሰኩም ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ንውሉድ ወለዶኹም ምልክት እየን እሞ፡ ምናዳ ሰናብተይ ሓልዉ።+ 14 ንዓኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡+ ንሰንበት ሓልውዋ። ዜርክሳ ዘበለ፡ ይቀተል። ብእኣ ገለ ዕዮ ዚዓዪ ዘበለ ዅሉ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ መንጎ ህዝቡ ይመንቈስ።+ 15 ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ እያ።+ ንየሆዋ እተቐደሰት እያ። ብመዓልቲ ሰንበት ዕዮ ዚዓዪ ዘበለ ዅሉ፡ ይቀተል። 16 እስራኤላውያን ንሰንበት ይሓልውዋ፣ ንውሉድ ወለዶኦም ይሓልውዋ። ናይ ሓዋሩ ኺዳን እያ። 17 የሆዋ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰማያትን ምድርን ገይሩ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣዕሪፉን እፎይ ኢሉን እዩ እሞ፡+ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤልን ናይ ሓዋሩ ምልክት እያ።’”+ 18 ኣብ ከረን ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ክልተ ጽላት ምስክር፡+ ብኣጻብዕ ኣምላኽ+ እተጻሕፋ ጽላት እምኒ፡ ሃቦ። 18 የትሮ እቲ ኻህን ሚድያን፡ ሓሙ ሙሴ፡+ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም፡ ማለት የሆዋ ንእስራኤል ከመይ ገይሩ ኻብ ግብጺ ኸም ዘውጽኦ፡ ሰምዐ።+ 2 የትሮ ሓሙ ሙሴ ነታ ናብኡ ተመሊሳ ዝነበረት ጺጶራ ሰበይቲ ሙሴ ወሰዳ፡ 3 ንኽልቲኦም ደቃ እውን ምስኣ ወሰዶም።+ ሙሴ ኸኣ፡ “ኣብ ምድሪ ጓና፡ ጓና ዀይነ” ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ስም እቲ ሓደ ጌርሾም*+ ተባህለ፣ 4 “እቲ ኻብ ሰይፊ ፈርኦን ዘናገፈኒ ኣምላኽ ኣቦይ ረዳእየይ እዩ” ኢሉ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ኤልዔዘር* ተባህለ።+ 5 የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ንደቂ ሙሴን ንሰበይቱን ሒዙሉ ናብ ሙሴ ናብቲ ኣብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚርከብ ሰፊርዎ ዝነበረ በረኻ መጸ።+ 6 ንሙሴ ድማ፡ “ኣነ የትሮ ሓሙኻ፡+ ሰበይትኻን ክልቲኦም ደቃን ሒዘ ናባኻ እመጽእ ኣለኹ” ኢሉ ለኣኸሉ። 7 ብኡብኡ፡ ሙሴ ንሓሙኡ ኪቕበሎ ወጸ፣ ሰገደሉን ሰዓሞን ከኣ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ደሓን እንተ ኣለዉ ተሓታተቱ፣ ሽዑ፡ ናብ ድንኳን ኣተዉ። 8 ሙሴ ኸኣ ንሓሙኡ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ንፈርኦንን ንግብጽን ዝገበሮ ነገርን+ ኵሉ እቲ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ሽግርን+ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘናገፎምን ነገሮ። 9 የትሮ ድማ በቲ የሆዋ ንእስራኤል ካብ ግብጺ* ብምንጋፍ ዝገበሮ ዅሉ ሰናይ ነገር ተሓጐሰ። 10 የትሮ ኸኣ፡ “እቲ ኻብ ግብጽን ካብ ፈርኦንን ዘናገፈኩም፡ እቲ ነዚ ህዝቢ ኻብ ትሕቲ ኢድ ግብጺ ዘናገፈ የሆዋ ይወደስ። 11 ብምኽንያት እቲ ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዚዕበዩ ዝገበሮ ነገር፡ የሆዋ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዚዓቢ፡ ሕጂ ፈሊጠ” በለ።+ 12 ሽዑ፡ የትሮ ሓሙ ሙሴ ንኣምላኽ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣምጽአ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ። 13 ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ኸም ልማዱ ነቲ ህዝቢ ኺፈርድ ተቐመጠ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኢሉ ነበረ። 14 ሓሙ ሙሴ ንዅሉ እቲ ነቲ ህዝቢ ዚገብሮ ምስ ረኣየ፡ “እዚ ነዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በይንኻ ኣብዚ ኾፍ እትብል፧” በሎ። 15 ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ “እቲ ህዝቢ ንኣምላኽ ኪሓትት ናባይ ስለ ዚመጽእ እየ። 16 ነገር ምስ ዚልዓል ከኣ፡ ናባይ ይመጽእ፣ ኣነ ድማ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድ፡ ውሳነታት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ሕግታቱን ከኣ እነግሮም” በሎ።+ 17 ሓሙ ሙሴ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እዚ እትገብሮ ዘለኻ፡ ጽቡቕ ኣይኰነን። 18 እዚ ንዓኻ ኣዝዩ ኸቢድ ጾር እዩ፡ ንስኻ በይንኻ እውን ክትስከሞ ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፡ ንርእስኻን ነዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብርግጽ ከተድክም ኢኻ። 19 ሕጂ ኸኣ ክመኽረካ ስምዓኒ፡ ኣምላኽ ከኣ ምሳኻ ኪኸውን እዩ።+ ንስኻ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ወኪል ህዝቢ ኹን፣+ እቲ ነገሮም ድማ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣቕርብ።+ 20 ስርዓታትን ሕግታትን እንታይ ምዃኑ ኣጠንቅቆም፣+ ኪኸዱላ ዚግባእ መገድን ኪገብርዎ ዘለዎም ግብርን ከኣ ኣፍልጦም። 21 ካብ ህዝቢ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርሁ፡ እሙናት፡ ረብሓ ሸፈጥ ዚጸልኡ፡+ ክኢላታት ሰባት ሕረ፣+ ንዓታቶም ከኣ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ጌርካ ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም።+ 22 ነገር ኪልዓል ከሎ፡* ንሳቶም ንህዝቢ ይፍረዱ፣ ኵሉ ዓብዪ ነገር ከኣ ናባኻ የምጽኡ፣+ ኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ይፍረዱ። ነቲ ጾር ምሳኻ ኸም ዚጾሩ ብምግባር፡ ንርእስኻ ኣፍኵሰላ።+ 23 እዚ ነገር እዚ እንተ ጌርካ፡ ኣምላኽ እውን ከምኡ እንተ ኣዚዙካ፡ ነቲ ጾር ምጻሩ ኽትክእል ኢኻ፣ ኵሉ እውን ዓጊቡ ናብ በቦታኡ ይኸይድ።” 24 ብኡብኡ፡ ሙሴ ንሓሙኡ ሰሚዑ፡ ዝበሎ ዅሉ ገበረ። 25 ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ክኢላታት ሰባት ሓርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ርእስታት ኪዀኑ፡ ኣሕሉቕ ሽሕ፡ ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ ኣሕሉቕ ሓምሳ፡ ኣሕሉቕ ዓሰርተ ገይሩ ሸሞም። 26 ንሳቶም ድማ ነገር ኪልዓል ከሎ፡ ንህዝቢ ፈረዱ። ኣጸጋሚ ነገር ከኣ ናብ ሙሴ የምጽእዎ ነበሩ፣+ ኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ፈረዱ። 27 ድሕርዚ፡ ሙሴ ንሓሙኡ ኣሰናበቶ፡+ ንሱ ኸኣ ናብ ምድሩ ኸደ። 23 “ወረ ሓሶት ኣይትንዛሕ።*+ ብተንኰል ብምምስካር፡ ምስ እኩይ ኣይትተሓባበር።+ 2 እከይ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ፣ ምስ ብዙሓት ወጊንካ ፍትሒ ንምቕናን ኣይትመስክር።* 3 ኣብ ነገር ድኻ ኣይተዳሉ።+ 4 “ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኺብካ፡ ምለሰሉ።+ 5 ኣድጊ ጸላኢኻ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርኢኻ፡ ዕሽሽ ኢልካ ኣይትሕደጎ። ጽዕነቱ ንምእላይ ሓግዞ።+ 6 “ኣብ ነገር እቲ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ድኻ፡ ፍርዲ ኣይተቕንን።+ 7 “ካብ ክሲ* ሓሶት ርሓቕ፣ ንንጹህን ንጻድቕን ከኣ ኣይትቕተል፣ ከመይሲ፡ ኣነ ንእኩይ ኣየጽድቖን* እየ።+ 8 “ጉቦ ብንጹር ንዚርእዩ የዕውር፡ ንቓላት ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ ጉቦ ኣይትቀበል።+ 9 “ንጓና ኣይትጨቍኖ። ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ጓና ምዃን ከመይ ከም ዝዀነ* ትፈልጡ ኢኹም።+ 10 “ሽዱሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፡ ፍርያታ ኸኣ ኣክብ።+ 11 ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፡ ቃድራ ሕደጋ እምበር ኣይትሕረሳ፣ ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘሎ ድኻ ድማ ይብልዓያ፣ ነቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣእዋም ኣውልዕካን ከምኡ ግበር። 12 “ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኺዓርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን ጓናን ከኣ እፎይ ምእንቲ ኺብሉ፡ ኣዕርፍ።+ 13 “ንዅሉ እቲ ዝበልኩኹም ሓልውዎ፣+ ስማት ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ኣብ ከናፍርካ* እውን ኣይሰማዕ።+ 14 “ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ በዓል ግበረለይ።+ 15 በዓል ቅጫ ኣብዕል።+ ኣብታ ግዜ እቲኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣቢብ፡* ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ።+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድመይ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ።+ 16 ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ በዅሪ ፍረ ጻዕርኻ በዓል ዓጺድ* ኣብዕል፣+ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት በዓል ምእካብ* ኣብዕል።+ 17 ኵሉ ተባዕታይካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ።+ 18 “ደም መስዋእተይ ምስ ብኹዕ ኣይትሰውእ። ኣብ በዓላተይ ዚቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ኸኣ፡ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። 19 “እቲ ዝበለጸ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ኣምጽእ።+ “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።+ 20 “ኣብ መገዲ ኺሕልወካን ናብታ ዘዳለኽዋ ቦታ ኼእትወካን+ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ።+ 21 ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ተኣዘዝ። ስመይ ኣብኡ ስለ ዝዀነ፡ ኣበሳኹም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ እሞ፡ ካብኡ ኣይትዕሎ።+ 22 ግናኸ፡ ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ተኣዚዝካ፡ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ጌርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ ኽጻልኦም፡ ንዚጻረሩኻ ድማ ክጻረሮም እየ። 23 ከመይሲ፡ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ፣ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ፣ ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ።+ 24 ንኣማልኽቶም ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን፣ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር።+ የግዳስ፡ ኣፍርሶም፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ከኣ ሰባብር።+ 25 ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፣+ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ።+ ሕማም ከኣ ካብ መንጎኻ ኼርሕቕ እየ።+ 26 ጥንሲ ዚኸዳ ወይ መኻን ሰበይቲ ኣብ ምድርኻ ኣይክትርከብን እያ፣+ ነዊሕ ዕድመ ድማ ክህበካ እየ።* 27 “ቀቅድሜኻ ብዛዕባይ ፍርሂ ኽሰድድ፡+ ነቶም ዜጓንፉኻ ህዝቢ ኸኣ ከሸብሮም እየ፣ ኵሎም ጸላእትኻ ድማ ተሳዒሮም ካባኻ ኸም ዚሃድሙ ኽገብር እየ።*+ 28 ቀቅድሜኻ ሕልናኦም ከዕርበሎም* እየ፣+ እዚ ኸኣ ንሒዋውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ካብ ቅድሜኻ ኺሰጕግ እዩ።+ 29 እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ድማ ምእንቲ ኸይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜኻ ኣይክሰጕጎምን እየ።+ 30 ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትርስተያ፡ በብቝሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም እየ።+ 31 “ነቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ድማ ክትሰጕጎም ኢኻ እሞ፡+ ዶብካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ ፍልስጥኤማውያን፡ ካብ በረኻ ኽሳብ እቲ ፈለግ* ክገብሮ እየ።+ 32 ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትተኣታቶ።+ 33 ኣብ ቅድመይ ምእንቲ ኸየሕጥኡኻ፡ ኣብ ምድርኻ ኣይቀመጡ። ንኣማልኽቶም እንተ ኣገልጊልካ፡ እዚ ብርግጽ ንዓኻ መፈንጠራ ኪዀነካ እዩ።”+ 34 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ንዓኻ ጽረብ፣+ እተን ኣብተን ዝሰበርካየን+ ቀዳሞት ጽላት ዝነበራ ቓላት ከኣ፡ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፍ እየ።+ 2 ንግሆ ናብ ከረን ሲና ደዪብካ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ኣብ ቅድመይ ደው ክትብል ኢኻ እሞ፡ ንንግሆ ተዳሎ።+ 3 ግናኸ፡ ሓደ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ፣ ኣብ ኵሉ እቲ ኸረን ከኣ ሓደ እኳ ኣይርአ። ጤለ በጊዕ ወይ ከብቲ እውን ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ኣይብልዓ።”+ 4 ሙሴ ድማ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጸረበ፣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ ነተን ክልተ ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ። 5 የሆዋ ኸኣ ብደበና ወሪዱ፡+ ምስኡ ደው በለ፡ ስም የሆዋ ድማ ኣወጀ።+ 6 የሆዋ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እናሓለፈ፡ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፦ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን+ ርሕሩሕን*+ ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡+ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን*+ ሓቅን፡*+ 7 ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡+ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ፡+ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ፡+ ስሕተት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዚቐጽዕ።”+ 8 ሙሴ ኸኣ ቀልጢፉ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ። 9 “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ተሪር* ህዝቢ+ እኳ እንተ ዀንና፡ በጃኻ የሆዋ ምሳና ኣብ ማእከልና ኺድ፣+ ስሕተትናን ሓጢኣትናን ድማ ይቕረ በለልና፡+ ርስትኻ ጌርካ እውን ተቐበለና” ኸኣ በለ። 10 ንሱ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኺዳን እኣቱ ኣለኹ፦ ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ዘይተገብረ* ዜደንቕ ነገራት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ፣+ እቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝገብሮ ዘለኹ ዜፍርህ እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ መንጎኡ እትነብር ዘለኻ ህዝቢ ግብሪ የሆዋ ኺርኢ እዩ።+ 11 “እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ሓሉ።+ እንሆ፡ ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም እየ።+ 12 ኣብ መንጎኻ መፈንጠራ ኸይኰኑስ፡+ ምስ ነበርቲ እታ እትኸዳ ዘለኻ ምድሪ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ።+ 13 የግዳስ፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ሰባብሩ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾኦም* ከኣ ቍረጹ።+ 14 የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ብምድላዩ* ዚፍለጥ እዩ* እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።+ እወ፡ ንሱ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።+ 15 ምስ ነበርቲ እታ ምድሪ ኺዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ንኣማልኽቶም ኪምንዝሩን ኪስውኡን ከለዉ፡+ ክትዕደምን ካብቲ መስዋእቲ ኽትበልዕን ኢኻ።+ 16 ካብ ኣዋልዶም ድማ ንኣወዳትካ ኽትወስድ ኢኻ፣+ ኣዋልዶም ከኣ ምስ ኣማልኽተን ኪምንዝራን ንደቅኻ ምስ ኣማልኽቶም ኬመንዝራኦምን እየን።+ 17 “ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበር።+ 18 “በዓል ቅጫ ኣብዕል። ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ቅጫ ብላዕ፣+ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ስለ ዝወጻእካ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣቢብ*+ ሸውዓተ መዓልቲ እዚ ግበር። 19 “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* እንተላይ ካብ ማልካ ተባዕታይ በዅሪ ዘበለ ብዕራይ ኰነ በጊዕ፡+ ናተይ እዩ።+ 20 ንበዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ። እንተ ዘይተበጂኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ንዅሉ በዅሪ ተበጀዎ።+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድመይ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ። 21 “ሽዱሽተ መዓልቲ ዕየ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ኣዕርፍ።*+ ብግዜ ማሕረስን ዓጺድን እኳ ኣዕርፍ። 22 “ምስ በዅሪ ፍረ ዓጺድ ስርናይ፡ በዓል ሰሙናት ኣብዕል፣ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምእካብ* ኣብዕል።+ 23 “ኵሉ ተባዕታይካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ።+ 24 ከመይሲ፡ ንኣህዛብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጎም፡+ ንሃገርካ ድማ ከግፍሖ እየ፣ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ገጽ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርኢ ኢልካ ኽትድይብ ከለኻ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ንምድርኻ ኣይኪትምነን እዩ። 25 “ደም መስዋእተይ ምስ ብኹዕ ኣይትሰውእ።+ መስዋእቲ በዓል ፋስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።+ 26 “እቲ ዝበለጸ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ኣምጽእ።+ “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።”+ 27 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ዝኣቱ በዚ ቓላት እዚ እዩ እሞ፡+ ነዚ ቓላት እዚ ጽሓፎ”+ በሎ። 28 ንሱ ድማ ኣብኡ ምስ የሆዋ 40 መዓልትን 40 ለይትን ገበረ። እንጌራ ኣይበልዐን፡ ማይ እውን ኣይሰተየን።+ ንሱ* ኸኣ ኣብተን ጽላት እተን ቃላት ኪዳን፡ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት* ጸሓፈ።+ 29 ሽዑ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ወረደ፣ እተን ክልተ ጽላት ምስክር ድማ ኣብ ኢዱ ነበራ።+ ሙሴ ኻብቲ ኸረን ምስ ወረደ፡ ምስ ኣምላኽ ብምዝራቡ፡ ቈርበት ገጹ የብርህ ከም ዝነበረ ኣይፈለጠን። 30 ኣሮንን ኵሎም እስራኤላውያንን ንሙሴ ምስ ረኣይዎ፡ ቈርበት ገጹ የብርህ ከም ዝነበረ ረኣዩ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ።+ 31 ሙሴ ግና ጸውዖም፣ ኣሮንን ኵሎም ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ መጹ፣ ሙሴ ኸኣ ተዛረቦም። 32 ድሕርዚ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብኡ ቐረቡ፣ ንሱ ድማ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣብ ከረን ሲና ዝሃቦ ትእዛዛት ሃቦም።+ 33 ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ይገብር ነበረ።+ 34 ሙሴ ምስ የሆዋ ንምዝራብ ናብ ቅድሚኡ ምስ ዚኣቱ ግና፡ ክሳዕ ዚወጽእ ነቲ መጐልበቢ የልግሶ ነበረ።+ ወጺኡ ኸኣ ነቲ እተዋህቦ ትእዛዛት ንእስራኤላውያን ይገልጸሎም ነበረ።+ 35 እስራኤላውያን ድማ ቈርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዜብርህ ረኣዩ፣ ሙሴ ኸኣ ምስ ኣምላኽ* ንምዝራብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ገበረ።+ 19 እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ በረኻ ሲና መጹ። 2 ካብ ረፊዲም+ ተላዒሎም ናብ በረኻ ሲና መጹ፣ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰፈሩ። እስራኤል ከኣ ኣብኡ ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ሰፈረ።+ 3 ሽዑ፡ ሙሴ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ፣ የሆዋ ኸኣ ካብቲ ኸረን+ ጸውዖ እሞ ኸምዚ በሎ፦ “ንቤት ያእቆብ ከምዚ በሎም፡ ንእስራኤላውያን ከኣ ንገሮም፦ 4 ‘ብኣኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ምእንቲ ኸምጽኣኩም፡+ ንግብጻውያን እንታይ ከም ዝገበርክዎም+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም። 5 ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም፡ ኪዳነይ እውን እንተ ሓሊኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡+ ካብ ኵሎም ህዝብታት ንስኻትኩም ብርግጽ ፍሉይ ጥሪተይ* ክትኰኑ ኢኹም።+ 6 መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ድማ ክትኰኑኒ ኢኹም።’+ ንእስራኤላውያን እትዛረቦም ዘረባ እዚ እዩ።” 7 ሙሴ ድማ ከይዱ ንዓበይቲ እቲ ህዝቢ ጸውዖም፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ቓላት ድማ ነገሮም።+ 8 ድሕርዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ብሓደ ዀይኖም፡ “ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበሎ ንገብር” ኢሎም መለሱ።+ ብኡብኡ፡ ሙሴ ንምላሽ እቲ ህዝቢ ናብ የሆዋ ኣብጽሖ። 9 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ክዛረበካ ኸለኹ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ ንሓዋሩ ድማ ብኣኻ እውን ምእንቲ ኺኣምኑስ፡ እንሆ፡ ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጸካ እየ” በሎ። ሙሴ ኸኣ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ነገሮ። 10 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብቶም ህዝቢ ኺድ፣ ሎምን ጽባሕን ከኣ ቀድሶም፣ ክዳውንቶም ድማ ይሕጸቡ። 11 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሎም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺወርድ እዩ እሞ፡ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ። 12 ብዙርያ እቲ ኸረን ድማ ነቶም ህዝቢ ዶብ ግበረሎም፣ ከምዚ ኢልካ ኸኣ ንገሮም፦ ‘ናብቲ ኸረን ከይትድይቡ ወይ ነቲ ዶቡ ኸይትትንክዩ ተጠንቀቑ። ነቲ ኸረን ዝተንከዮ ዘበለ ብርግጽ ኪመውት እዩ። 13 ነቲ በዳሊ ሓንቲ ኢድ እኳ ኣይትተንክዮ፣ የግዳስ፡ ብዳርባ እምኒ ወይ ብውርወራ* ይሙት። እንስሳ ይኹን ወይ ሰብ፡ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ።’+ ደሃይ መለኸት ቀርኒ ድዑል+ ምስ ሰምዑ ግና፡ ናብቲ ኸረን ኪድይቡ ይኽእሉ እዮም።” 14 ሙሴ ድማ ካብቲ ኸረን ናብቲ ህዝቢ ወረደ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ ቀደሶ፣ ንሳቶም እውን ክዳውንቶም ሓጸቡ።+ 15 ነቶም ህዝቢ ድማ፡ “ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ። ካብ ጾታዊ ርክብ ተሓረሙ”* በሎም። 16 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ንግሆ፡ ነጐዳን በርቅን ኰነ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸረን ድማ ከቢድ ደበናን+ ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትን ኰነ፣ ኵሎም እቶም ኣብ ሰፈር ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ራዕራዕ በሉ።+ 17 ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪራኸብ ካብ ሰፈር ኣውጽኦ፣ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ደው በሉ። 18 የሆዋ ብሓዊ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝወረደ፡+ ኵሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ፣ ትኩ ድማ ከም ትኪ እቶን ይዓርግ ነበረ፣ ብዘሎ እቲ ኸረን ከኣ ኣዝዩ የንቀጥቅጥ ነበረ።+ 19 እቲ ደሃይ መለኸት እናበርትዐ ምስ ከደ፡ ሙሴ ተዛረበ፡ ድምጺ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እውን መለሰሉ። 20 የሆዋ ድማ ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና፡ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ወረደ። ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ጸውዖ፡ ሙሴ ኸኣ ደየበ።+ 21 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ውረድ እሞ ነቶም ህዝቢ ንየሆዋ ኺርእዩ ኢሎም ከይጥሕሱ ኣጠንቅቆም፡ እንተ ዘይኰነስ ብዙሓት ካባታቶም ኪሞቱ እዮም። 22 እቶም ናብ የሆዋ ዚቐርቡ ኻህናት ድማ፡ የሆዋ ምእንቲ ኸይወቕዖም፡ ገዛእ ርእሶም ይቐድሱ” በሎ።+ 23 ሙሴ ኸኣ ንየሆዋ፡ “‘ኣብ ዙርያ እቲ ኸረን ዶብ ግበርን ቀድሶን’ ኢልካ ስለ ዘጠንቀቕካና፡+ እቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺድይቡ ኣይክእሉን እዮም” በሎ። 24 የሆዋ ግና፡ “ኪድ ውረድ እሞ፡ ንኣሮን ምሳኻ ሒዝካ ተመሊስካ ደይብ፣ እቶም ካህናትን እቶም ህዝብን ግና ከይወቕዖምሲ፡ ናብ የሆዋ ኺድይቡ ኣይጥሓሱ” በሎ።+ 25 ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነገሮም። 20 ኣምላኽ ድማ ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ተዛረበ፦+ 2 “ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+ 3 ብዘይካይ* ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።+ 4 “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ካብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ማያት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ጽሩብ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር።+ 5 ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።+ ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ፡+ ንዚጸልኡኒ ስሕተት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዝቐጽዕ ኣምላኽ እየ። 6 ንዜፍቅሩንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ወለዶ ብተኣማንነት ዘፍቅር እየ።+ 7 “የሆዋ ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ከይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡+ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።+ 8 “ንመዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ኽትሕልዋ ዘክር።+ 9 ኵሉ ዕዮኻን ተግባርካን ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ግበር፣+ 10 እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየ፣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን እንስሳ ዘቤትካን ኣብ ውሽጢ ሰፈርካ* ዘሎ ጓናን እውን ከምኡ።+ 11 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰማያትን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪዓርፍ ጀሚሩ እዩ።+ ስለዚ እዩ የሆዋ ንመዓልቲ ሰንበት ዝባረኻን ዝቐደሳን። 12 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።+ 13 “ኣይትቕተል።+ 14 “ኣይትዘሙ።+ 15 “ኣይትስረቕ።+ 16 “ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።+ 17 “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ+ ዀነት፡ ግዙኡ ዀነ፡ ግዝእቱ ዀነት፡ ብዕራዩ ዀነ፡ ኣድጉ ዀነ፡ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ኣይትተምነ።”+ 18 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነጐዳን በርቅን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ይርእዩ ነበሩ፣ ነዚ ብምርኣዮም ከኣ ራዕራዕ በሉ፡ ኣብ ርሑቕ ከኣ ደው በሉ።+ 19 ንሙሴ ድማ፡ “ንስኻ ተዛረበና፡ ክንሰምዓካ ኸኣ ኢና፣ ግናኸ፡ ከይንመውትሲ፡ ኣምላኽ ኣይዛረበና” በልዎ።+ 20 ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይትሓጥኡ ፍርሃቱ ኺሓድረኩም ኢሉ እዩ+ ኺፍትነኩም መጺኡ ዘሎ እሞ፡ ኣይትፍርሁ” በሎም።+ 21 እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ርሑቕ ደው በሉ፣ ሙሴ ግና ናብቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝነበሮ ጸሊም ደበና ቐረበ።+ 22 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም ንስኻትኩም ባዕላትኩም ርኢኹም ኣለኹም።+ 23 ምሳይ ኣማልኽቲ ብሩር ኣይትግበሩ፣ ኣማልኽቲ ወርቂ እውን ንዓኻትኩም ኣይትግበሩ።+ 24 መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሓርር መስዋእትኻን ናይ ሕብረት መስዋእትኻን* ጤለ በጊዕካን ከብትኻን ሰውእ። ስመይ ከም ዚዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዘበለ ቦታ ዅሉ፡+ ክመጸካን ክባርኸካን እየ። 25 መሰውኢ ኣእማን እንተ ጌርካለይ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትስርሓዮ።+ ከመይሲ፡ መንደልካ ኣብኡ እንተ ተጠቒምካ፡ ከተርክሶ ኢኻ። 26 ሕፍረትካ* ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኸይቅላዕሲ፡ ናብ መሰውእየይ ብመሳልል ኣይትደይብ።’ 3 ሙሴ ድማ መጓሰ ሓሙኡ የትሮ እቲ ኻህን ሚድያን ይጓሲ ነበረ።+ ነተን መጓሰ ናብቲ ናብ ምዕራብ ሸነኽ እቲ በረኻ ኺመርሐን ከሎ፡ ናብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ናብ ሆሬብ መጸ።+ 2 ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ።+ ምስ ጠመተ ኸኣ፡ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ እታ ቘጥቋጥ ግና ኣይተበልዐትን። 3 ሙሴ ድማ፡ “እዛ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እዚኣ ስለምንታይ ሞኽ ከም ዘይትብል፡ ነዚ መስተንክር ትርኢት እዚ ኸይደ ኽርኢ” በለ። 4 የሆዋ ኸኣ፡ ንሱ ኺርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረኣየ፡ ኣምላኽ ካብታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ “ሙሴ፡ ሙሴ” ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ” በለ። 5 ንሱ ኸኣ፡ “ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ። 6 “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ኣምላኽ ይስሃቅን+ ኣምላኽ ያእቆብን+ እየ” ድማ በሎ። ሽዑ፡ ሙሴ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይጥምት ስለ ዝፈርሀ፡ ገጹ ኸወለ። 7 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ ብሰሪ እቶም ኣገዲዶም ዜዕይይዎም ኣዕየይቲ ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ።+ 8 ካብ ኢድ ግብጻውያን ከናግፎም፡+ ካብታ ምድሪ እቲኣ ኸኣ ናብ ሓንቲ ጽብቕትን ርሕብትን ምድሪ፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ+ ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ከደይቦም ክወርድ እየ።+ 9 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣውያት ህዝቢ እስራኤል ናባይ በጺሑ ኣሎ፣ እቲ ግብጻውያን ዚጭቍንዎም ጭቈና እውን ርእየ ኣለኹ።+ 10 ሕጂ ኸኣ ንዓ፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ፣ ንስኻ ድማ ንህዝበይ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም ኢኻ።”+ 11 ሙሴ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘውጽኦምንከ ኣነ መን እየ፧” በሎ። 12 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከተገልግልዎ* ኢኹም” በለ።+ 13 ሙሴ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ናብ እስራኤላውያን ከይደ፡ ‘ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ ምስ በልክዎም፡ ‘ስሙ መን እዩ፧’+ እንተ ኢሎምኒ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧” በሎ። 14 ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ”*+ በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንእስራኤላውያን፡ ‘እቲ ክኸውን ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ በሎም” በሎ።+ 15 ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእስራኤላውያን፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ኣምላኽ ይስሃቅን+ ኣምላኽ ያእቆብን+ ናባኻትኩም ልኢኹኒ’ በሎም። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፣+ እዚ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ መዘከርታይ እዩ። 16 ሕጂ ኺድ እሞ፡ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ ኸምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ተራእዩኒ፡ “ንዓኻትኩም ብርግጽ ኣስተብሂለልኩም፡+ ነቲ ኣብ ግብጺ ዚገብሩኹም ዘለዉ እውን ኣስተብሂለሉ ኣለኹ። 17 ካብቲ ኣብ ኢድ ግብጻውያን ዝበጽሓኩም ጸበባ ኣውጺአ፡+ ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን+ ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን፡+ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ ኢለ ኣለኹ” ኸኣ ኢሉኒ።’+ 18 “ቃልካ ኸኣ ብርግጽ ኪሰምዑ እዮም፣+ ንስኻን ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኼድኩም፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን+ ተራኺቡና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ’ በልዎ።+ 19 ንጉስ ግብጺ ብሓያል ኢድ እንተ ዘይተገዲዱ፡ ክትከዱ ኸም ዘይፈቕደልኩም ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።+ 20 ስለዚ፡ ኢደይ ዘርጊሐ ንግብጺ ብዅሉ እቲ ኣብኣ ዝገብሮ ዜደንቕ ግብርታት ክወቕዓ እየ፣ ድሕርዚ፡ ኪሰድደኩም እዩ።+ 21 ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ሞገስ ክህቦ እየ፣ ክትከዱ ኸለኹም ከኣ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይክትከዱን ኢኹም።+ 22 ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኻብ ጐረቤታን ኣብ ቤታ ኻብ እትነብር ሰበይትን ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ትለምን፣ ነዚ ድማ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣብ ኣዋልድኩምን ግበርዎ፣ ንግብጻውያን ከኣ ክትገፍፍዎም ኢኹም።”+ 24 ንሙሴ ኸኣ፡ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን+ 70 ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኴንኩም፡ ናብ የሆዋ ደይቡ፣ ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ። 2 ሙሴ ኸኣ በይኑ ናብ የሆዋ ይቕረብ፣ እቶም ካልኦት ግና ኣይቕረቡ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ምስኡ ኣይደይቡ” በሎ።+ 3 ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ዅሉ ዘረባ የሆዋን ኵሉ ሕግታትን ነገሮም፣+ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ድምጺ፡ “ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ንገብር” ኢሎም መለሱ።+ 4 ሙሴ ድማ ንዅሉ ቓላት የሆዋ ጸሓፎ።+ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኸኣ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን መሰውኢ፡ ነቶም 12 ነገዳት እስራኤል ድማ 12 ሓወልቲ ሰርሐ። 5 ድሕርዚ፡ ካብ እስራኤላውያን ኣጕባዝ ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ዚሓርር መስዋእትን ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ዚዀኑ ዝራብዓትን ሰውኡ።+ 6 ሽዑ፡ ሙሴ ፍርቂ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ጭሔሎታት ገበሮ፣ ፍርቂ እቲ ደም ከኣ ኣብቲ መሰውኢ ነጸጎ። 7 ነቲ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ነቶም ህዝቢ ዓው ኢሉ ኣንበበሎም።+ ንሳቶም ከኣ፡ “ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ።+ 8 ሙሴ ድማ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብቲ ህዝቢ ነጸጎ እሞ፡+ “ደም እቲ የሆዋ ብዅለን እዘን ቃላት እዚአን ምሳኻትኩም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ” በሎም።+ 9 ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን 70 ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኰይኖም ደየቡ፣ 10 ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረኣይዎ።+ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኸም ሰፊሮስ ዚመስል ባይታ ነበረ፣ እዚ ድማ ከም ሰማያት ጽሩይ ነበረ።+ 11 ነቶም ምርኡያት ሰብ እስራኤል ከኣ ኣይጐድኦምን፣+ ራእይ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ርእዮም ድማ በልዑን ሰተዩን። 12 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ናባይ ናብዚ ኸረን ደይብ እሞ፡ ኣብኡ ጽናሕ። ንትምህርቶም ኢለ ዝጽሕፎ ሕግን ትእዛዝን ዝሓዛ ጽላት እምኒ ድማ ክህበካ እየ” በሎ።+ 13 ሙሴን ጊልያኡ እያሱን ከኣ ተንስኡ፣+ ሙሴ ድማ ናብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ።+ 14 ነቶም ዓበይቲ ግና፡ “ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ ኣብዚ ጽንሑና።+ ኣሮንን ሑርን ምሳኻትኩም ኣለዉ።+ ነገር ዘለዎ ዘበለ፡ ናባታቶም ይኺድ” በሎም።+ 15 ነቲ ኸረን ደበና ኣጐልቢብዎ ኸሎ ኸኣ፡ ሙሴ ናብቲ ኸረን ደየበ።+ 16 ክብሪ የሆዋ+ ድማ ኣብ ከረን ሲና ጸንሐ፣+ እቲ ደበና ኸኣ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣጐልበቦ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ንሙሴ ኻብ ማእከል እቲ ደበና ጸውዖ። 17 ትርኢት ክብሪ የሆዋ ድማ ንኣዒንቲ እስራኤላውያን ከም ዚባላዕ ሓዊ ዀይኑ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ። 18 ሙሴ ኸኣ ናብቲ ደበና ኣተወ፡ ናብቲ ኸረን እውን ደየበ።+ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኸረን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸንሐ።+ 32 እቶም ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብቲ ኸረን ከይወረደ ነዊሕ ከም ዝገበረ ረኣዩ።+ እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ኣሮን ተኣከቡ እሞ፡ “እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ ዚብሃል ሰብኣይ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ፡ ቀቅድሜና ዚኸይድ ኣምላኽ ግበረልና” በልዎ።+ 2 ኣሮን ድማ፡ “እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቂ+ ቐንጢጥኩም ኣምጽኡለይ” በሎም። 3 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ። 4 ንሱ ድማ ነቲ ወርቂ ኻባታቶም ወሲዱ፡ ብመቕረጺ ገይሩ ቐሪጹ፡ ምስሊ* ምራኽ+ ገበሮ። ንሳቶም ከኣ፡ “ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዚ እዩ” በሉ።+ 5 ኣሮን እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሐ። ኣሮን ድማ፡ “ጽባሕ፡ ንየሆዋ በዓል እዩ” ኢሉ ኣወጀ። 6 ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ዚሓርር መስዋእቲ ሰውኡ፡ መስዋእቲ ሕብረት እውን ኣቕረቡ። ድሕርዚ፡ እቶም ህዝቢ ኺበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ፡ ኪጻወቱ እውን ተንስኡ።+ 7 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ተበላሽዩ ኣሎ እሞ፡+ ኪድ ውረድ። 8 ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣልጊሶም እዮም።+ ንርእሶም ምስሊ* ምራኽ ገይሮም፡ ይሰግዱሉን ይስውኡሉን፡ ‘ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዚ እዩ’ ይብሉን ኣለዉ” በሎ። 9 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ተሪር* ምዃኑ እርእዮ ኣለኹ።+ 10 ሕጂ ብዚነድድ ቍጥዓይ ከጽንቶም፡ ንዓኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ ሕደገኒ” በሎ።+ 11 ሽዑ፡ ሙሴ ናብ የሆዋ ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፦+ “ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ቍጥዓኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብብርትዕቲ ኢድን ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ዚነድድ፧+ 12 ስለምንታይከ ግብጻውያን፡ ‘ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎምን ካብ ገጽ ምድሪ ኼጽንቶምን ኢሉ ኽፉእ ሓሲቡ ኣውጺእዎም’ ኢሎም ዚዛረቡ፧+ ካብቲ ዚነድድ ቍጥዓኻ ደኣ ተመለስ፣ ነቲ ኣብ ህዝብኻ እዚ መዓት እዚ ንምምጻእ ዝገበርካዮ ውሳነ እውን ዳግም ሕሰበሉ።* 13 ነቶም፡ ‘ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ከብዝሖ እየ፣+ ኵላ እዛ እተዛረብኩላ ምድሪ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺርስተይዋ ንዘርእኹም ክህቦም እየ’ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ገላዉኻ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን ዘክር።”+ 14 የሆዋ ድማ ነቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ።*+ 15 ሙሴ ኸኣ ተመሊሱ፡ ነተን ክልተ ጽላት ምስክር+ ኣብ ኢዱ+ ሒዙ ኻብቲ ኸረን ወረደ። እተን ጽላት ብኽልቲኡ ገጸን ተቐሪጹ እተጻሕፈን፡ ማለት ብቕድሚትን ብድሕሪትን እተጻሕፈን ነበራ። 16 እተን ጽላት ድማ ስራሕ ኣምላኽ ነበራ፣ ኣብተን ጽላት እተቐርጸ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት ኣምላኽ ነበረ።+ 17 እያሱ ድማ ዋዕዋዕ ይብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ጫውጫውታ እቲ ህዝቢ ሰምዐ፣ ንሙሴ ኸኣ፡ “ኣብ ሰፈር ደሃይ ውግእ ኣሎ” በሎ። 18 ሙሴ ግና፡ “እዚ ደሃይ ደርፊ ዝሰዓሩ* ኣይኰነን፣ደሃይ ዋይዋይታ እተሳዕሩ እውን ኣይኰነን፣ደሃይ ካልእ ዓይነት ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ” በለ። 19 ሙሴ ናብ ሰፈር ምስ ቀረበ እሞ፡ ነቲ ምራኽን+ ነቲ ሳዕስዒትን ምስ ረኣየ፡ ቍጥዓኡ ነደደ፣ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርብዩ ኸኣ፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ሰበረን።+ 20 ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ፡ ኣድኪሙ ኸኣ ጠሓኖ፣+ ኣብ ማይ ነስኒሱ ድማ ንእስራኤላውያን ኣስተዮም።+ 21 ሙሴ ኸኣ ንኣሮን፡ “እዚ ዓብዪ ሓጢኣት እዚ ዘምጻእካሉስ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እንታይ ገይሩካ እዩ፧” በሎ። 22 ኣሮን ድማ፡ “ጐይታይ፡ ቍጥዓኻ ኣይንደድ። እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ክፉእ ዝዘንበለ ምዃኑ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ 23 ‘እዚ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ ዚብሃል ሰብኣይ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸይድ ኣምላኽ ግበረልና’ ኢሎምኒ።+ 24 ኣነ ኸኣ፡ ‘ወርቂ ዘለዎ፡ ቀንጢጡ ይሃበኒ’ ኢለዮም። ሽዑ፡ ናብ ሓዊ ደርብየዮ፡ እዚ ምራኽ እዚ ድማ ወጺኡ” ኢሉ መለሰ። 25 ኣሮን ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ተጻረርቶም ክሳዕ ዚዋረዱ ስዲ ሓዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፈንዮም ረኣዮም። 26 ሽዑ፡ ሙሴ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ “ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧ ናባይ ይምጻእ!” በለ።+ ኵሎም ሌዋውያን ከኣ ናብኡ ተኣከቡ። 27 ንሱ ድማ፡ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ይተዓጠቕ እሞ፡ ኣብ ኵሉ እዚ ሰፈር ካብ ኣፍ ደገ ናብ ኣፍ ደገ እናሓለፈ ንሓዉን ንብጻዩን ንናይ ቀረባ ዓርኩን ይቕተል’” በለ።+ "28 ሌዋውያን ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ተቐትሉ።" 29 ሙሴ ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣንጻር ወዱን ኣንጻር ሓዉን ኰይኑ እዩ እሞ፡+ ሎሚ ርእስኹም ንየሆዋ ፍለዩ፣* ሎሚ ንሱ በረኸት ኪህበኩም እዩ” በለ።+ 30 ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ዓብዪ ሓጢኣት ጌርኩም ኢኹም። ሕጂ ኸኣ፡ ሓጢኣትኩም ከተዓርቕ ዝኽእል እንተ ዀይነ ኽርኢ፡ ናብ የሆዋ ኽድይብ እየ” በሎም።+ 31 ሙሴ ድማ ናብ የሆዋ ተመሊሱ፡ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጢኣት ኰን እዮም ገይሮም! ንዓታቶም ኣምላኽ ወርቂ ገይሮም!+ 32 ሕጂ ድማ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ሓጢኣቶም ሕደገሎም፣+ እንተ ዘይኰነ፡ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ በጃኻ ደምስሰኒ” በሎ።+ 33 የሆዋ ግና ንሙሴ፡ “ነቲ ዝበደለኒ ደኣ ኻብ መጽሓፈይ እድምስሶ። 34 ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ፣+ በታ ዝጸባጸበላ መዓልቲ፡ ብሓጢኣቶም ክቐጽዖም እየ” በሎ። 35 ሽዑ፡ ነቲ ኣሮን ዝገበሮ ምራኽ ስለ ዝገበሩ፡ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ወቕዖም። 7 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ርአ፡ ንፈርኦን ከም ኣምላኽ ገይረካ* ኣለኹ፣ ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዪኻ ኪኸውን እዩ።+ 2 ንስኻ ነቲ ዝእዝዘካ ዘበለ ኽትዛረብ ኢኻ፣ ሓውካ ኣሮን ከኣ ንፈርኦን ኪዛረቦ እዩ፣ ንሱ ድማ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሩ ኺሰድዶም እዩ። 3 ኣነ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ክሓድጎ እየ፣+ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ትእምርትታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ።+ 4 ፈርኦን ግና ኣይኪሰምዓኩምን እዩ። ኣነ ድማ ኢደይ ኣብ ግብጺ ኸንብር፡ ንሰራዊተይ ንህዝበይ እስራኤላውያን ከኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ብዓበይቲ ፍርድታት ከውጽኦም እየ።+ 5 ግብጻውያን ድማ ኢደይ ኣንጻር ግብጺ ዘርጊሐ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ማእከሎም ምስ ኣውጻእክዎም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።”+ 6 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ገበሩ፣ ልክዕ ከምኡ ገበሩ። 7 ንፈርኦን ኪዛረብዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ሙሴ ወዲ 80 ዓመት፡ ኣሮን ድማ ወዲ 83 ዓመት ኰይኖም ነበሩ።+ 8 የሆዋ ኸኣ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦ 9 “ፈርኦን፡ ‘ተኣምር ግበሩ’ እንተ ኢሉኩም፡ ሽዑ ንኣሮን፡ ‘በትርኻ ወሲድካ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደርብያ’ በሎ። ዓብዪ ተመን ከኣ ክትከውን እያ።”+ 10 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም፡ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ገበሩ። ኣሮን ከኣ ነታ በትሩ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ደርበያ እሞ፡ ዓብዪ ተመን ኰነት። 11 ፈርኦን ግና ነቶም ጥበበኛታትን ኣስማተኛታትን ጸውዖም፣ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ግብጺ+ እውን ብስሒሮም ከምኡ ገበሩ።+ 12 ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ እሞ፡ ዓበይቲ ኣትማን ኰና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣባትሮም ወሓጠተን። 13 ግናኸ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፣+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ድማ፡ ኣይሰምዖምን። 14 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ልቢ ፈርኦን ተሪሩ እዩ።+ ነቲ ህዝቢ ምስዳዱ ኣብዩ ኣሎ። 15 ንግሆ ናብ ፈርኦን ኪድ። እንሆ፡ ናብ ማይ ኪወጽእ እዩ። ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ክትረኽቦ ድማ ደው ኢልካ ጽናሕ፣ ነታ ናብ ተመን እተለወጠት በትሪ ኸኣ ኣብ ኢድካ ውሰዳ።+ 16 ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ናባኻ ልኢኹኒ፣+ “ኣብ በረኻ ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም” ኢሉካስ፡ ንስኻ ግና ክሳዕ ሕጂ ኣይተኣዘዝካን። 17 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነ የሆዋ ምዃነይ በዚ ኽትፈልጥ ኢኻ።+ እንሆ፡ ነቲ ኣብ ፈለግ ኒል ዘሎ ማይ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ እወቕዖ ኣለኹ፣ ናብ ደም ከኣ ኪልወጥ እዩ። 18 እቶም ኣብ ኒል ዘለዉ ዓሳ ኸኣ ኪሞቱ እዮም፣ ኒል ድማ ኪጽይእ እዩ፣ ግብጻውያን ከኣ ካብ ኒል ማይ ምስታይ ኣይኪኽእሉን እዮም።”’” 19 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንኣሮን፡ ‘ደም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ በትርኻ ወሲድካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ፡+ ናብ ልዕሊ ኣፍላጋ፡ ናብ ልዕሊ መትረባታ፡* ናብ ልዕሊ ረግረጋታ፡+ ናብ ልዕሊ ዅሉ መዕቘሪታታ ዘርግሕ’ በሎ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ፡ ኣብ ኣቕሑ ዕንጨይትን ኣቕሑ እምንን እውን ከይተረፈ ደም ኪኸውን እዩ” በሎ። 20 ብኡብኡ ድማ፡ ሙሴን ኣሮንን ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ገበሩ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ፈርኦንን ገላዉኡን ነታ በትሪ ኣልዒሉ ነቲ ኣብ ፈለግ ኒል ዝነበረ ማይ ወቕዖ፣ ኵሉ እቲ ኣብቲ ፈለግ ዝነበረ ማይ ድማ ናብ ደም ተለወጠ።+ 21 እቶም ኣብቲ ፈለግ ዝነበሩ ዓሳ ኸኣ ሞቱ፣+ እቲ ፈለግ እውን ጸይአ። ግብጻውያን ድማ ካብ ኒል ማይ ኪሰትዩ ኣይከኣሉን።+ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ደም ኰነ። 22 ግናኸ፡ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ግብጺ በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ገበሩ።+ ስለዚ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ድማ፡ ኣይሰምዖምን።+ 23 ሽዑ፡ ፈርኦን ናብ ቤቱ ተመልሰ፣ ነዚ እውን ናብ ልቡ ኣየእተዎን። 24 ካብ ኒል ማይ ኪሰትዩ ስለ ዘይከኣሉ ኸኣ፡ ኵሎም ግብጻውያን ዚስተ ማይ ደልዮም ኣብ ዙርያ ኒል ኰዓቱ። 25 የሆዋ ንኒል ካብ ዚወቕዖ ድማ፡ ሸውዓተ መዓልቲ መልአ። 12 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ በሎም፦ 2 “እዛ ወርሒ እዚኣ፡ መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹነልኩም። ካብ ኣዋርሕ ዓመት ቀዳመይቲ ትኹነልኩም።+ 3 ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፦ ‘ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ነንቤት ኣቦኦም ሓደ በጊዕ፡+ ነንቤት ሓደ በጊዕ ይውሰዱ። 4 እቶም ቤተ ሰብ ንሓደ በጊዕ ዚውሕዱ እንተ ዀይኖም ግና፡ ንሳቶምን እቲ ዝቐረበ ጐረቤቶምን* ኣብ ቤቶም ከም ቍጽሪ ሰባት* ይማቐልዎ። ክትግምግሙ ኸለኹም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ በጊዕ ክንደይ ዚኣክል ከም ዚበልዕ መድቡ። 5 በጊዕኩም ከኣ ዓመት ዝገበረ ጥዑይ+ ተባዕታይ ይኹን። ካብ ገንሸላት* ወይ ካብ ኣጣል ውሰዱ። 6 ክሳዕ መበል 14 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ ሓልውዎ፣+ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ኵሉ እቲ ጉባኤ ኣኼባ እስራኤል ይሕረዶ።+ 7 ካብቲ ደሙ ወሲዶም፡ ኣብተን ዚበልዑለን ኣባይቲ፡ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ይንጸግዎ።+ 8 “‘ነቲ ስጋ ኸኣ በዛ ለይቲ እዚኣ ይብልዕዎ።+ ብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን+ ምስ መሪር ሓምልን+ ይብልዕዎ። 9 ርእሱ ምስ ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ እምበር፡ ካብቲ ስጋ ብጥረኡ ወይ ዝበሰለ፡ ማለት ብማይ እተጠጠቐ፡ ኣይትብልዑ። 10 ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ፣ ነቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ኣንድድዎ።+ 11 ሓቛቝኹም ተዓጢቕኩም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ድማ ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ከኣ ብልዕዎ፣ ቀልጢፍኩም ድማ ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ የሆዋ እዩ። 12 በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሓልፍ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኸኣ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ኽወቅዕ እየ።+ ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 13 እቲ ደም ከኣ ኣብተን ዘለኹምወን ኣባይቲ ምልክትኩም ይኹን፣ ነቲ ደም ርእየ ድማ ክሓልፈኩም እየ፣ ንምድሪ ግብጺ ኽወቕዓ ኸለኹ ኸኣ፡ እቲ መዓት ኬጥፍኣኩም ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ።+ 14 “‘እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፣ ንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ንየሆዋ በዓል ጌርኩም ኣብዕልዋ። ናይ ሓዋሩ ሕጊ ጌርኩም ኣብዕልዋ። 15 ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።+ ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ብኹዕ ዝበልዐ ዘበለ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ እስራኤል ኪምንቈስ እዩ እሞ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ መባዅዕቲ ኻብ ኣባይትኹም ኣወግድዎ። 16 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እውን፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። በዘን መዓልትታት እዚአን ዕዮ ኣይተዓየ።+ እቲ ነፍሲ ወከፍ ዚበልዖ ጥራይ ይዳለወልኩም። 17 “‘በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦ እየ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሓልዉ።+ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ሓልውዋ። 18 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብ ምሸት እታ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ክሳዕ ምሸት እታ መበል 21 መዓልቲ እታ ወርሒ ቕጫ ብልዑ።+ 19 ጓና ይኹን ወይ ወዲ ዓዲ፡+ ሓደ እኳ ብኹዕ እንተ በሊዑ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ኪምንቈስ እዩ እሞ፡ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ቤትኩም መባዅዕቲ ኣይረኸብ።+ 20 ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑ። ኣብ ኵሉ እቲ እትቕመጥዎ፡ ቅጫ ብልዑ።’” 21 ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል+ ቀልጢፉ ጸዊዑ፡ “ኬድኩም ነንስድራኹም ጤለ በጊዕ ሕረዩ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ኸኣ ሕረዱ። 22 ዕታር ሃዛብ ኣብቲ ኣብ ገበራ ዘሎ ደም ጠሚዕኩም፡ ንላዕለዋይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን እቲ ደም ንጸጉሉ፣ ክሳዕ ንግሆ ድማ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብ ኣፍ ደገ ቤቱ ኣይውጻእ። 23 የሆዋ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሓልፍ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ዘሎ ደም ምስ ረኣየ፡ የሆዋ ነታ ኣፍ ደገ ብርግጽ ኪሓልፋ፡ እቲ ጥፍኣት ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኺወቅዕ ድማ ኣይኪፈቕደሉን እዩ።+ 24 “ነዚ ነገር እዚ፡ ንዓኻን ንደቅኻን ናይ ሓዋሩ ስርዓት ጌርኩም ሓልውዎ።+ 25 ናብታ የሆዋ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ከምቲ ዝበሎ፡ ነዚ በዓል እዚ ሓልውዎ።+ 26 ደቅኹም፡ ‘እዚ በዓል እዚ ንዓኻትኩም እንታይ ማለት እዩ፧’ ምስ ዚብሉኹም፡+ 27 ‘ነቲ ንግብጻውያን ኪወቕዖም ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ንኣባይቲ እስራኤላውያን ዝሓለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዝነሓፈ የሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ እዩ’ በልዎም።” ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ ፍግም ኢሎም ሰገዱ። 28 እስራኤላውያን ድማ ከይዶም ከምቲ የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።+ ልክዕ ከምኡ ገበሩ። 29 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ የሆዋ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ፡+ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ዝነበረ ምሩኽ፡ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ እውን ቀተለ።+ 30 ሽዑ፡ ፈርኦን ምስ ገላዉኡን ምስ ኵሎም ግብጻውያንን በታ ለይቲ እቲኣ ተንስኡ፣ ምዉት ዘይብላ ቤት ስለ ዘይነበረት ከኣ፡ ኣብ ግብጻውያን ብርቱዕ ኣውያት ኰነ።+ 31 ብኡብኡ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ጸዊዑ፡+ “ንስኻትኩምን እስራኤላውያንን ተንስኡ እሞ፡ ካብ መንጎ ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፡ ንየሆዋ ኣገልግልዎ።+ 32 ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ጤለ በጊዕኩምን ከብትኹምን ውሰዱ እሞ ኺዱ።+ ንዓይ ከኣ መርቑኒ” በሎም። 33 እቶም ግብጻውያን ድማ፡ “ኵላትናስ ክንመውት ኢና”+ ኢሎም ነቶም ህዝቢ ኻብታ ምድሪ ቐልጢፎም ኪወጹ ሃወኽዎም።+ 34 እቶም ህዝቢ ኸኣ ነቲ ብሑቖም ገና ኸይበዅዐ ወሲዶም፡ መልወሲታቶም ከኣ ብኽዳኖም ጠቕሊሎም ኣብ መንኵቦም ጾርዎ። 35 እስራኤላውያን ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ፣ ካብ ግብጻውያን ከኣ ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ።+ 36 የሆዋ ድማ ነቶም ህዝቢ ዝለመንዎ ዅሉ ኺህብዎም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ሞገስ ሃቦም፣ ንግብጻውያን ከኣ ገፈፍዎም።+ "37 ሽዑ፡ እስራኤላውያን ብዘይ ቈልዑ 600,000 ዚኣኽሉ ኣጋር ሰብኡት፡ ካብ ራዕምሴስ+ ነቒሎም ናብ ሱኮት+ ተጓዕዙ።+" 38 ምሳታቶም ድማ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ*+ ደየበ፣ ከምኡ ድማ ጤለ በጊዕን ከብትን፡ ኣዝየን ብዙሓት ማል ደየባ። 39 ነቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽእዎ ብሑቝ ከኣ ቅጫታት ገይሮም ሰንከትዎ። ካብ ግብጺ ስንቆም ከየዳለዉ ብሃንደበት ስለ እተሰጕጉ፡ ኣይበዅዐን ነበረ።+ 40 እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ እተቐመጡሉ እዋን፡+ 430 ዓመት እዩ።+ 41 ኣብ መወዳእታ እተን 430 ዓመት፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኵሎም ሰራዊት የሆዋ ኻብ ምድሪ ግብጺ ወጹ። 42 የሆዋ በታ ለይቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብጺ ስለ ዘውጽኦም፡ ንዓኣ የብዕልዋ እዮም። እዛ ለይቲ እዚኣ ብዅሎም ህዝቢ እስራኤል ንውሉድ ወለዶኦም ንየሆዋ እተሓለወት እያ።+ 43 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦ “ሕጊ ፋስጋ እዚ እዩ፦ ጓና ዘበለ ኻብኡ ኣይብላዕ።+ 44 ብገንዘብ እተዓደገ ባርያ እንተ ኣልዩ ግና፡ ግዘሮ።+ ሽዑ፡ ካብኡ ኺበልዕ ይኽእል እዩ። 45 ሰፋርን ዕሱብን ካብኡ ኣይብልዑ። 46 ኣብ ሓንቲ ቤት ይበላዕ። ካብቲ ስጋ ገለ እኳ ኻብ ቤት ናብ ግዳም ኣይተውጽእ፣ ካብ ኣዕጽምቱ ድማ ሓደ እኳ ኣይትስበሩ።+ 47 ኵሉ ኣኼባ እስራኤል የብዕሎ። 48 ጓና ምሳኻ እንተ ተቐሚጡ እሞ፡ ንየሆዋ ፋስጋ ኼብዕል እንተ ደልዩ፡ ኵሉ ተባዕታዩ ይገዘር። ሽዑ፡ ንምብዓል ኪቐርብ ይኽእል፣ ከም ወዲ ዓዲ ኸኣ ይኹን። ዘይግዙር ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ።+ 49 ንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።”+ 50 ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ። ልክዕ ከምኡ ገበሩ። 51 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ምስ ሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኦም። 1 ስማት እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ከኣ እዚ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ መምስ ቤተ ሰቡ፦+ 2 ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን+ 3 ይሳኮርን ዛብሎንን ብንያምን 4 ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን።+ 5 ኵሎም እቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ፡* 70 ሰባት* ነበሩ፣ ዮሴፍ ግና ድሮ ኣብ ግብጺ ነበረ።+ 6 ዮሴፍን ኣሕዋቱን ኵሉ እቲ ወለዶን ድማ ሞቱ።+ 7 እስራኤላውያን* ድማ ተፋረዩን ሰሰኑን፣ ኣዝዮም ከኣ በዝሑን በርትዑን፣ ስለዚ፡ እታ ምድሪ ብኣታቶም መልአት።+ 8 ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስአ። 9 ንሱ ድማ ንህዝቡ፡ “እንሆ፡ ህዝቢ እስራኤል ካባና ይበዝሑን ይብርትዑን እዮም።+ 10 እምበኣር፡ ብዝያዳ ኸይበዝሑ እሞ፡ ውግእ ምስ ዚልዓለና፡ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋግኡና፡ ካብዛ ሃገር እውን ከይወጹ፡ ንዑ ንጣበበሎም” በሎም። 11 ስለዚ፡ ብብርቱዕ ሽቕለት ምእንቲ ኺጭቍንዎም፡ ብግዲ ዜሸቅልዎም ኣሕሉቕ* ሸሙሎም።+ ንፈርኦን ድማ ጲቶምን ራዕምሴስን ዚብሃላ ኸተማታት መኽዘን ሰርሑሉ።+ 12 ብዝያዳ ብዝጨቈንዎም መጠን ግና፡ ብዝያዳ በዝሑን ብዝያዳ ኣስፋሕፍሑን። ንሳቶም ከኣ ብእስራኤላውያን ተሸበሩ።+ 13 ስለዚ፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ባሮት ገይሮም ብጭከና ኣዕየይዎም።+ 14 ብብርቱዕ ሽቕለት፡ ማለት ብምብዓጥ ጭቃን ብሕጡብን ብዅሉ ዓይነት ባርነት መሮርን ድማ፡ ንህይወቶም ኣመረርዋ። እወ፡ ብዅሉ ዓይነት ባርነት ብጭከና ኣልፍዕዎም።+ 15 ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን ሺፍራን ጱዓን ዝስመን እብራውያን መሕረስቲ ተዛረበን፣ 16 “ንእብራውያን ከተሕርሳአን ከለኽን፡+ ኣብቲ ዚሓርሳሉ መንበር ከኣ ምስ ረኣኽንአን፡ ወዲ እንተ ዀይኑ ቕተላኦ፣ ጓል እንተ ዀይና ግና ብህይወት ትንበር” ድማ በለን። 17 እተን መሕረስቲ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፈሪሀን፡ ነቶም ተባዕትዮ ሕጻናት ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፡ ከምቲ እቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን።+ 18 ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ግብጺ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ፡ “ነቶም ተባዕትዮ ሕጻናት ስለምንታይ ብህይወት ሓዲግክናኦም፧” በለን። 19 እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ “እብራውያን ኣንስቲ ኸም ግብጻውያን ኣንስቲ ኣይኰናን። ሓያላት እየን፡ መሕረሲት ቅድሚ ምምጻኣ ድማ ሓሪሰን እየን ዚጸንሓ” በላኦ። 20 ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገበረለን፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ እናበዝሐን ኣዝዩ እናበርትዐን ከደ። 21 እተን መሕረስቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝፈርሃ፡ ስድራ ሃበን። 22 ፈርኦን ከኣ ንዅሉ ህዝቡ፡ “ሓድሽ እተወልደ ወዲ እብራውያን ዘበለ ናብ ፈለግ ኒል ደርብይዎ፣ ኵለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ይንበራ” ኢሉ ኣዘዘ።+ 36 “በሳልኤል ምስ ኦሆልያብን ምስ ኵሎም እቶም ንዕዮ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዚገብሩ ኺፈልጡ ኢሉ የሆዋ ጥበብን ኣእምሮን ዝሃቦም ክኢላታት* ሰባትን ኰይኑ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኺገብር እዩ።”+ 2 ሙሴ ድማ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን ንዅሎም እቶም የሆዋ ኣብ ልቦም ጥበብ ዘንበረሎም ክኢላታትን፡+ ኰታስ ንዅሎም እቶም ነቲ ዕዮ ብፍታዎም ኪዓይዩ ልቦም ዝደረኾም ጸውዖም።+ 3 ንሳቶም ከኣ ነቲ እስራኤላውያን ንዕዮ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኢሎም ዘምጽእዎ ዅሉ መባእ ካብ ሙሴ ወሰዱ።+ እቲኣቶም ግና ንግሆ ንግሆ መስዋእቲ ፍታው የምጽኡ ነበሩ። 4 ነቲ ቕዱስ ዕዮ ምስ ጀመርዎ፡ ኵሎም እቶም ክኢላታት፡ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ እናመጹ፡ 5 ንሙሴ፡ “እዚ ህዝቢ፡ ካብቲ ነቲ የሆዋ ኺግበር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ዜድሊ ዚዛይድ የምጽእ ኣሎ” ኢሎም ተዛረብዎ። 6 ሽዑ፡ ሙሴ ኣብ ብዘሎ እቲ ሰፈር፡ “ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ፡ ንቕዱስ መባእ ዚኸውን መተዓየዪ ደጊም ኣየምጽእ” ተባሂሉ ኺእወጅ ኣዘዘ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ተወሳኺ ነገር ከየምጽእ ተኸልከለ። 7 እቲ መተዓየዪ ንዅሉ እቲ ዚዕየ ዕዮ ዚኣክል ነበረ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ እኳ ደኣ ነበረ። 8 ኵሎም እቶም ክኢላታት+ ከኣ ነቲ ማሕደር፡+ ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብእተዳለወ ዓሰርተ ዓለባ ድንኳን ገበርዎ። ንሱ* ኸኣ ኪሩቤል እተጠልፉሉ ገይሩ ገበሮ።+ 9 ሓደ ዓለባ ድንኳን 28 እመት* ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ነበረ። ኵሉ እቲ ዓለባታት ድንኳን መጠኑ ማዕረ ነበረ። 10 ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ብሓደ ኣላገቦ፣ ነቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ከኣ ብሓደ ኣላገቦ። 11 ድሕርዚ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቲ ዝዀነ ሓደ ዓለባ ድንኳን ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት* ገበረ። ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን ከኣ ከምኡ ገበረ። 12 ኣብቲ ሓደ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ዓለባ ድንኳን እውን 50 መኸንትቦ ገበረ፣ እቲ መኸንትቦታት ከኣ ኣብ መንጽር ሓድሕዱ ዀነ። 13 50 መቘለፊ* ወርቂ ድማ ገበረ እሞ፡ ነቲ ዓለባታት ድንኳን በቲ መቘለፊታት ብሓደ ኣላገቦ፣ እቲ ማሕደር ከኣ ሓደ ዀነ። 14 ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ንዚድረብ ዓለባታት ድንኳን ድማ ካብ ጸጕሪ ጤል ገበረ። 11 ዓለባ ድንኳን ገበረ።+ 15 ሓደ ዓለባ ድንኳን 30 እመት ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ነበረ። እቲ 11 ዓለባ ድንኳን መጠኑ ማዕረ ነበረ። 16 ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ብሓደ ኣላገቦ፣ ነቲ ዝተረፈ ሽዱሽተ ዓለባ ድንኳን ድማ ብሓደ ኣላገቦ። 17 ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቲ ዝዀነ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ ገበረ፣ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ዓለባ ድንኳን ድማ 50 መኸንትቦ ገበረ። 18 እቲ ድንኳን ሓደ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ብሓደ ንምልጋቡ፡ 50 መቘለፊ ነሓሲ ገበረ። 19 ብቐይሕ ካብ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል ድማ ነቲ ድንኳን መኽደኒ ገበረሉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ካብ ቈራብቲ ታሓሽ* መኽደኒ ገበረሉ።+ 20 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው+ ድማ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ደው ዚብል መቓናት ሉሕ ገበረ።+ 21 ቍመት ሓደ መቓን ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። 22 ኣብ ሓደ መቓን ሉሕ ንሓድሕዱ እተላገበ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፍ* ነበሮ። ንዅሉ መቓናት ሉሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ገበሮ። 23 በዚ ኸምዚ፡ ብደቡባዊ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ 20 መቓን ሉሕ ገበረ። 24 ኣብ ትሕቲ እቲ 20 መቓን ሉሕ ድማ፡ ካብ ብሩር 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ነቲ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፉ ዚኸውን ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ ከኣ ነቲ ኸክልተ ተሰኳዒ ጫፍ ዚኸውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ።+ 25 በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ብሰሜናዊ ሸነኽ፡ 20 መቓን ሉሕ ገበረ። 26 ካብ ብሩር ድማ 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ እውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ። 27 ነቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ሸነኽ ድሕሪት እቲ ማሕደር፡ ሽዱሽተ መቓን ሉሕ ገበረ።+ 28 ንኽልተ ዓንዲ መኣዝን ድሕሪት እቲ ማሕደር ዚኸውን ክልተ መቓን ሉሕ ገበረ። 29 ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ኽሳብ ላዕሊ፡ ክሳብ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት ድርብ ነበረ። ኣብ ክልቲኡ ዓንዲ መኣዝን ከምኡ ገበረ። 30 ሸሞንተ መቓን ሉሕን ካብ ብሩር ከኣ 16 ዚስኵዓሉ መቘምን፡ ማለት ኣብ ተትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ፡ ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ነበረ። 31 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ተገዳም ገበረ፣ ነቲ ብሓደ ሸነኽ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ሓሙሽተ ተገዳም፡+ 32 ነቲ ብኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ከኣ ሓሙሽተ ተገዳም፡ ነቲ ብሸነኽ ድሕሪት ብምዕራብ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ድማ ሓሙሽተ ገበረ። 33 ነቲ ኣብ ማእከል እቲ መቓናት ሉሕ ዘሎ ማእከላይ ተገዳም፡ ካብ ወሰን ክሳብ ወሰን ከም ዚበጽሕ ገይሩ ገበሮ። 34 ነቲ መቓናት ሉሕ ብወርቂ ለበጦ፣ ነቲ ተገዳማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ኸኣ ብወርቂ ገበሮ፣ ነቲ ተገዳማት እውን ብወርቂ ለበጦ።+ 35 ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ድማ መጋረጃ+ ገበረ። ኪሩቤል+ እተጠልፉሉ+ ገይሩ ገበሮ። 36 ኣርባዕተ ዓንዲ ሰራው ምስ ዓንቃሪቦታት ወርቂ ገይሩ ኸኣ፡ ብወርቂ ለበጦ፣ ንዕኡ ድማ ካብ ብሩር እተገብረ ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ብፍሲ ሰርሓሉ። 37 ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብሓደ ብምእላም፡+ መጋረዲ* ገበረ፣ 38 ሓሙሽተ ዓንዲ ሰራውን ዓንቃሪቦታቱን ድማ ገበረ። ርእሱን መላግቦታቱን* ብወርቂ ለበጦ፣ እቲ ሓሙሽተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ግና ካብ ነሓሲ ነበረ። 29 “ካህናት ኪዀኑኒ ኽትቅድሶም ከለኻ እትገብረሎም ነገር እዚ እዩ፦ ሓደ ዝራብዕን ክልተ ኣበር ዘይብሎም ደዓውልን ውሰድ፣+ 2 ዘይበዅዐ እንጌራን ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዓንኬላዊ ቕጫታትን ዘይቲ እተለኽየ ረቀቕቲ ቕጫታትን ድማ ውሰድ።+ ካብ ድኹም ሓርጭ ስርናይ ግበሮ፣ 3 ኣብ መሶብ ኣንቢርካ ኸኣ፡ በቲ መሶብ ጌርካ+ ምስቲ ዝራብዕን ክልተ ድዑልን ኣቕርቦ። 4 “ንኣሮንን ንደቁን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፣+ ብማይ ድማ ሕጸቦም።+ 5 ነቲ ኽዳውንቲ ወሲድካ ኸኣ፡+ ንኣሮን፡ እቲ ወለል ዚብል ክዳንን ናይ ኤፎድ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕልን ኤፎድን ልብሲ ኣፍ ልብን ክደኖ፣ በቲ እተኣልመ ዕጣቕ ኤፎድ ድማ ኣዕጥቆ።+ 6 ነቲ መጠምጠምያ ኣብ ርእሱ ግበረሉ፣ ነቲ ቕዱስ ምልክት ተወፋይነት* ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ።+ 7 ዘይቲ ቕብኣት+ ወሲድካ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሲስካ ቕብኣዮ።+ 8 “ድሕሪኡ፡ ንደቁ ኣቕርቦም እሞ፡ ወለል ዚብል ክዳውንቲ ኽደኖም፣+ 9 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናውቲ ኣዕጥቆም፣ መዐመምያ ኸኣ ጠምጥመሎም። እቲ ኽህነት ከኣ ንዓታቶም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ ንኣሮንን ንደቁን በዚ ኸምዚ ሽሞም።*+ 10 “ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ።+ 11 ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሕረዶ።+ 12 ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ፡ ብኣጻብዕካ ነቲ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ልኸዮ፣+ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍስሶ።+ 13 ንዅሉ እቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን+ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሕን ንኽልቲኡ ዅሊትን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን ወሲድካ ድማ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣሕርሮ።+ 14 ስጋ እቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ፈርሱን ግና፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ኣንድዶ። እዚ፡ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 15 “ነቲ ሓደ ድዑል ድማ ውሰዶ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ።+ 16 ነቲ ድዑል ድማ ሕረዶ፣ ነቲ ደሙ ኸኣ ወሲድካ፡ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ንጸጎ።+ 17 ነቲ ድዑል ድማ በብብልዕቱ ቘራርጾ፣ ነቲ ኣምዑቱን+ ኣእጋሩን ሓጺብካ ኸኣ፡ ነቲ ቝርጽራጽ ምስ ርእሱ ብሓባር ኣንብሮ። 18 ነቲ ድዑል ብምሉኡ ኣብቲ መሰውኢ ኣሕርሮ። ንሱ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ እዩ።+ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ። 19 “ነቲ ኻልኣይ ድዑል ድማ ውሰዶ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ።+ 20 ነቲ ድዑል ድማ ሕረዶ፣ ካብ ደሙ ወሲድካ ኸኣ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኒ ኣሮንን ኣብ የማኖት መስቈር ኣእዛን ደቁን ኣብ የማኖት ዓበይቶ ኣእዳዎምን የማኖት ዓበይቶ ኣእጋሮምን ልኸ፣ ነቲ ደም ድማ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ንጸጎ። 21 ካብቲ ኣብቲ መሰውኢ ዘሎ ደምን ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን+ ወሲድካ ኸኣ፡ ንሱን ክዳውንቱን ደቁን ክዳውንቶምን ምእንቲ ኪቕደሱ፡ ኣብ ኣሮንን ኣብ ክዳውንቱን፡ ኣብ ደቁን ኣብ ክዳውንቲ ደቁን ንጸጎ።+ 22 “ድዑል ሽመት+ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድዑል እቲ ስብሕን ኰልኰልን ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሕን ክልቲኡ ዅሊትን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን የማናይ እግርን ውሰድ።+ 23 ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሶብ ቅጫ፡ ሓደ ኸቢብ እንጌራን ሓደ ዓንኬላዊ ቕጫ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ውሰድ። 24 ንዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፣ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወዝውዞ። 25 ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣሕርሮ። እዚ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ። 26 “ሽዑ፡ ሓኸለ እቲ ምእንቲ ኣሮን ዚስዋእ ድዑል ሽመት+ ውሰድ እሞ፡ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወዝውዞ፣ ንሱ ኸኣ ግደኻ ይኹን። 27 ካብቲ ንኣሮንን ንደቁን ዝቐረበ ድማ፡ ነቲ ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ነቲ እግሪ እቲ ኻብ ድዑል ሽመት+ ተወሲዱ እተወዝወዘ ቅዱስ ግደን ቀድሶ። 28 ቅዱስ ግደ እዩ እሞ፡ ብእስራኤላውያን ብናይ ሓዋሩ ስርዓት ዚፍጸም ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ይኹን፣ ካብ እስራኤላውያን ዚውሃብ ቅዱስ ግደ ኸኣ ይኹን።+ እዚ ኻብቲ መስዋእቲ ሕብረቶም ንየሆዋ ዚኸውን ቅዱስ ግደ እዩ።+ 29 “እቲ ቕዱስ ክዳውንቲ+ ኣሮን ድማ፡ ደቁ ብድሕሪኡ ኻህናት ኰይኖም ኪቕብኡን ኪሽየሙን ከለዉ ይጠቐሙሉ።+ 30 እቲ ኻብ ደቁ ንዕኡ ተኪኡ ኻህን ዚኸውንን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግል ናብ መቕደስ ዚኣቱን፡ ሸውዓተ መዓልቲ ይከደኖ።+ 31 “ነቲ ድዑል ሽመት ወሲድካ ድማ፡ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ።+ 32 ኣሮንን ደቁን ከኣ ነቲ ስጋ እቲ ድዑልን ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዚርከብ መሶብ ዘሎ እንጌራን ይብልዕዎ።+ 33 ነቲ ኻህናት ኪዀኑ ንምሻምን* ንምቕዳስን ዕርቂ እተገብረሉ ነገራት ይብልዕዎ። ግናኸ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ኣይብልዓዮ።+ 34 ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ሽመትን ካብቲ እንጌራን ክሳዕ ንግሆ እንተ ተሪፉ፡ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣንድዶ።+ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣይበላዕ። 35 “ንኣሮንን ንደቁን ከም ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ እዚ ግበረሎም። ብሸውዓተ መዓልቲ ድማ ካህናት ኪዀኑ ሽሞም።*+ 36 መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ንዕርቂ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕርብ፣ ነቲ መሰውኢ ብምትዕራቕ ድማ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሃዮ፡ ክትቅድሶ እውን ቅብኣዮ።+ 37 ብሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኣተዓርቆ፣ ቅዱስ ቅዱሳን መሰውኢ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ ቀድሶ።+ ነቲ መሰውኢ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ፡ ኪቕደስ እዩ። 38 “ኣብቲ መሰውኢ እተቕርቦ እዚ እዩ፦ ወትሩ መዓልቲ መዓልቲ ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ገንሸል።*+ 39 ነቲ ሓደ ገንሸል ንግሆ ኣቕርቦ፣ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ጽልግልግ ምስ በለ* ኣቕርቦ።+ 40 ምስቲ ሓደ ገንሸል፡ ብርብዒ ሂን* ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ፡ ንመስዋእቲ መስተ ድማ ርብዒ ሂን ወይኒ ኣቕርብ። 41 ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ከምቲ ናይ ንግሆ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ምስኡ ጌርካ ጽልግልግ ምስ በለ* ኣቕርቦ። ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ጌርካ ሰውኣዮ። 42 እዚ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብቲ ኣነ ኽዛረበካ ኢለ ዝግለጸልኩም፡ ንውሉድ ወለዶኹም ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ እዩ።+ 43 “ኣብኡ ንእስራኤላውያን ክግለጸሎም እየ፣ ብኽብረይ ድማ ኪቕደስ እዩ።+ 44 ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ መሰውእን ከኣ ክቕድሶ እየ፣ ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ክቕድሶም እየ።+ 45 ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ክነብር፡* ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።+ 46 ኣነ ኣብ መንጎኦም ክነብር ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም እየ። 28 “ንሓውካ ኣሮን ምስ ደቁ፡—ኣሮን+ ምስ ናዳብን ኣቢሁን+ ኣልኣዛርን ኢታማርን+ ዚብሃሉ ደቂ ኣሮን፡+—ካህን ኰይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ+ ኻብ እስራኤላውያን ጸውዓዮ። 2 ንሓውካ ኣሮን ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ ግበረሉ።+ 3 ነቶም ብመንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም ኵሎም ክኢላታት* ተዛረቦም፣+ ኣሮን ካህን ኰይኑ ንምግልጋል ምእንቲ ኪቕደስ ከኣ፡ ክዳውንቲ ኣሮን ይግበሩ። 4 “እቲ ዚገብርዎ ኽዳውንቲ ድማ እዚ እዩ፦ ልብሲ ኣፍ ልቢ፡+ ኤፎድ፡+ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ፡+ ሰንጠረጃዊ ወለል ዚብል ክዳን፡ መጠምጠምያ፡+ ቅናት።+ ካህነይ ምእንቲ ኪኸውን፡ ነዚ ቕዱስ ክዳውንቲ እዚ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ይግበሩሎም። 5 እቶም ክኢላታት ብወርቅን ብሰማያዊ ፈትልን ብጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ብውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብቕጭን በፍታን ይግበርዎ። 6 “ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ኤፎድ ይግበሩ፣ ኪጥለፍ ድማ ኣለዎ።+ 7 ኣብ ክልተ ጫፉ እተለገበ ኽልተ ልጋብ ጨርቂ መንኵብ ይሃልዎ። 8 እቲ ምስቲ ኤፎድ እተላገበ ንምዕጣቕ ዚኸውን እሉም ዕጣቕ፡+ ብሓደ ዓይነት ስርሓት ይገበር፣ ማለት ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ይገበር። 9 “ክልተ እምኒ ኦኒክስ+ ውሰድ እሞ፡ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉ፣+ 10 ሽዱሽተ ስማት ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቲ ዝተረፈ ሽዱሽተ ስማት ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ፡ ከከምቲ እተወልዱሉ ቕረጽ። 11 ቀራጽ እምኒ፡ ማሕተም ከም ዚቐርጽ ገይሩ፡ ነቲ ስማት ደቂ እስራኤል ኣብቲ ኽልተ እምኒ ይቕረጾ።+ ኣብ መቓናት ወርቂ ድማ ግበሮ። 12 ነቲ ኽልተ እምኒ ኸኣ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ ኣብ ኤፎድ ዘሎ ኣጭርቕቲ መንኵብ ኣንብሮ፣+ ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ እቲ ጨርቂ መንኵቡ ስማቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም መዘከርታ ይጹሮ። 13 መቓናት ወርቂ ድማ ግበር፣ 14 ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ክልተ ሰንሰለት ከም ገመድ ፍሒስካ ግበር፣+ ነቲ እተገመደ ሰንሰለት ምስቲ መቓናት ኣላግቦ።+ 15 “ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኸኣ ብጠላፋይ ኣግብር።+ ከምቲ ኤፎድ ጌርካ ይገበር፣ ማለት ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ይገበር።+ 16 ምስ ተዓጽፈ፡ ትርብዒት፡ ስድሪ* ዝንውሓቱን ስድሪ ዝግፍሑን ይኹን። 17 ኣብኡ ኣእማን፡ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ግበረሉ። ኣብቲ ቐዳማይ መስርዕ፡ ሮቢኖስን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን። 18 ኣብቲ ኻልኣይ መስርዕ፡ ቱርቆይዝን ሰፊሮስን ያስጲስን። 19 ኣብቲ ሳልሳይ መስርዕ፡ ለሸምን ኣጋትን ኣሜትስጦስን። 20 ኣብቲ ራብዓይ መስርዕ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያሸፈን። ኣብ መቓናት ወርቂ ኸኣ ይገበር። 21 እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት እቶም 12 ደቂ እስራኤል ይኹን። ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ተገይሩ ን12 ነገዳት ሓሓደ ስም ይቀረጸሉ። 22 “ኣብ ልዕሊ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ እተተንገ ሰንሰለት ግበር።+ 23 ነቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበረሉ፣ ነቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብቲ ኽልተ ጫፍ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣላግቦ። 24 ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ኽልተ ገመድ በቲ ኣብ ጫፋት እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ኣሕልፎ። 25 ነቲ ኽልተ ጫፍ እቲ ኽልተ ገመድ በቲ ኽልተ መቓን ኣሕልፎ፣ ምስቲ ኣጭርቕቲ መንኵብ እቲ ኤፎድ ድማ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ኣላግቦ። 26 ካብ ወርቂ ኸኣ ክልተ ቐለቤት ጌርካ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጥርዚ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ፡ ኣብ ክልተ ጫፉ፡ ናብቲ ኤፎድ ገጹ ጌርካ ግበሮ።+ 27 ክልተ ኻልእ ቀለቤት ወርቂ እውን ኣብ ቅድሚት እቲ ኤፎድ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽልተ ጨርቂ መንኵብ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚላገበሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እሉም ዕጣቕ ኤፎድ ግበር።+ 28 እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣብቲ ኤፎድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እሉም ዕጣቕ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ በቲ ኻብቲ ቐላብቱ ናብቲ ቐላብቲ ኤፎድ ዚሓልፍ ሰማያዊ ፍሕሶ ይተኣሰር። 29 “ኣሮን ናብታ ቕድስቲ ኺኣቱ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናይ ወትሩ መዘከርታ ኪኸውን፡ ነቲ ስማት ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። 30 ነቲ ኡሪምን ነቲ ቱሚምን*+ ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣንብሮ፣ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን። ኣሮን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ ነቲ መፍረዲ እስራኤላውያን ይጹሮ። 31 “ናይ ኤፎድ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ኸኣ፡ ብምሉኡ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ ግበር።+ 32 ኣብ ላዕሊ ኣብ ማእከሉ ኣፍ* ይሃልዎ። እቲ ኣፍ ኣብ ዙርያኡ ብኣላማይ እተኣልመ መኽፈፍ ይሃልዎ። ምእንቲ ኸይቅደድ ከኣ፡ ከም ኣፍ ድርዒ ይኹን። 33 ኣብ ዙርያ እቲ ታሕተዋይ ከፈፉ ኸኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ሮማናት ግበረሉ፣ ኣብ መመንጎኡ ድማ ቃጭላት ወርቂ ግበረሉ። 34 ኣብ ታሕተዋይ ከፈፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ፡ ኣብ ዙርያኡ ቓጭል ወርቅን ሮማንን፡ ቃጭል ወርቅን ሮማንን እናኣዛነቕካ ግበር። 35 ኣሮን ምእንቲ ኼገልግል፡ ንዕኡ ይከደኖ፣ ናብ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኺኣቱን ኪወጽእን ከሎ ምእንቲ ኸይመውት፡ ደሃዩ ይሰማዕ።+ 36 “ካብ ጽሩይ ወርቂ ዜንጸባርቕ ቀጸላ ግበር እሞ፡ ኣብኡ፡ ‘ቅድስና ናይ የሆዋ’ ዚብል ከም ኣቀራርጻ ማሕተም ጌርካ ቕረጸሉ።+ 37 ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ ኸኣ ኣብቲ መጠምጠምያ እሰሮ፣+ ኣብቲ መጠምጠምያ ድማ ብሸነኽ ቅድሚት ይኹን። 38 ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፣ ኣብቲ እስራኤላውያን ቅዱስ መባእ ኬቕርቡ ኸለዉ ዝቐደስዎ ቕዱስ ነገራት በደል ምስ ዚግበር ከኣ፡ ኣሮን ሓላፍነት ኪጸውር እዩ።+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ወትሩ ኣብ ግምባሩ ይኹን። 39 “ካብ ቅጭን በፍታ፡ ሰንጠረጃዊ ወለል ዚብል ክዳን እለም፣ ካብ ቅጭን በፍታ ድማ መጠምጠምያ ግበር፡ እሉም ቅናት እውን ግበር።+ 40 “ንደቂ ኣሮን+ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ወለል ዚብል ክዳውንትን ቅናውትን መዐመምያን ግበረሎም።+ 41 ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ክደኖም፣ ቅብኣዮም፡+ ሽሞም፡*+ ቀድሶም ድማ፣ ካህናት ከኣ ኪዀኑኒ እዮም። 42 ካብ በፍታ ድማ ሕፍረት ስጋኦም ዚኸድን ስረ* ግበረሎም።+ እዚ ኸኣ ካብ ሕቘኦም ክሳብ ሰለፎም ይብጻሕ። 43 ኣሮንን ደቁን ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪመጹ ኸለዉ፡ ወይ ኣብቲ መቕደስ ንምግልጋል ናብቲ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ከይብድሉ እሞ ኸይሞቱ ይከደንዎ። እዚ ንዕኡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን። 38 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ገበረ። ሓሙሽተ እመት* ዝንውሓቱን ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ።+ 2 ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ገበረሉ። እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ ኣርባዕተ መኣዝን ብሓደ እተገብረ ነበረ። ብነሓሲ ኸኣ ለበጦ።+ 3 ድሕርዚ፡ ኵሉ ኣቕሑ እቲ መሰውኢ፡ ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ሻኳታትን መትሓዚታት ሓውን ገበረ። ኵሉ ኣቕሑኡ ኻብ ነሓሲ ገበሮ። 4 ካብ ነሓሲ ኸኣ መርበብ፡ ነቲ መሰውኢ ዚኸውን ርበ ገይሩ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጥርዚ፡ ናብ ማእከል ኣትሕት ኣቢሉ ገበሮ። 5 ኣርባዕተ ቐለቤት ብፍሲ ሰሪሑ ድማ፡ እቲ ዘንግታት ምእንቲ ኺኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ርበ ነሓሲ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝን ገበሮ። 6 ድሕርዚ፡ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ገይሩ፡ ብነሓሲ ለበጦ። 7 ነቲ መሰውኢ ንምጻር ከኣ ነቲ ዘንግታት ናብቲ ኣብ ጐድንታቱ ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። ነቲ መሰውኢ፡ ጓንጓ ሳጹን ገይሩ ኻብ ኣልዋሕ ገበሮ። 8 ካብ ነሓሲ ገበራ፡ ካብ ነሓሲ እውን ኣጋሮኡ ገበረ፣+ መስትያታት* እተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግላ እተወደባ ኣንስቲ ኸኣ ተጠቕመ። 9 ኣጸድ ድማ ገበረ።+ ብሸነኽ ደቡብ እቲ ኣጸድ፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታ፡ 100 እመት ዚኸውን መኸወሊታት* ገበረሉ።+ 10 20 ዓንዲ፡ ካብ ነሓሲ ድማ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚ ነበሮ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን* ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። 11 ብሸነኽ ሰሜን ዘሎ መኸወሊታት 100 እመት ነበረ። እቲ 20 ዓንዱን እቲ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚኡን ካብ ነሓሲ ነበረ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን* ድማ ካብ ብሩር ነበረ። 12 ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ መኸወሊታት* ግና 50 እመት ነበረ። ዓሰርተ ዓንድን ዓሰርተ ዚስኵዓሉ መቘምን ከኣ ነበሮ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን* ድማ ካብ ብሩር ነበረ። 13 ግፍሒ እቲ በቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸኣ 50 እመት ነበረ። 14 በቲ ሓደ ኽንፊ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡* ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ነበረ። 15 በቲ ኻልኣይ ክንፊ፡ ማለት በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡* ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ነበረ። 16 ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ እተገብረ መኸወሊታት፡* ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታ ነበረ። 17 ነቲ ኣዕኑድ ዚኸውን ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ካብ ነሓሲ ነበረ፣ እቲ ዓንቃሪቦታት ኣዕኑድን መላግቦታቱን፡* ካብ ብሩር ነበረ፣ ንዅሉ እቲ ኣዕኑድ ኣጸድ ድማ መላግቦታት ብሩር ነበሮ።+ 18 መጋረዲ* እቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብምእላም እተገብረ ነበረ። 20 እመት ዝንውሓቱን 5 እመት ዝቝመቱን ነበረ፣ ቍመቱ ኸኣ ከምቲ መኸወሊታት* እቲ ኣጸድ ነበረ።+ 19 ኣርባዕተ ዓንዱን ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘሚኡን ካብ ነሓሲ ነበረ። ዓንቃሪቦታቱን መላግቦታቱን* ካብ ብሩር፡ ርእሱ ድማ ብብሩር እተለበጠ ነበረ። 20 ኵሉ ንማሕደርን ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድን ዚኸውን ሽኻላት ከኣ ካብ ነሓሲ ነበረ።+ 21 ጸብጻብ እቲ ብትእዛዝ ሙሴ፡ ብሓላፍነት እቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ዝነበሩ ሌዋውያን እተጸብጸበ ማሕደር፡+ ማሕደር ምስክር፡+ እዚ ዚስዕብ እዩ። 22 እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ በሳልኤል+ ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሑር ድማ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ። 23 እቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝዀነ ኦሆልያብ+ ወዲ ኣሒሳማክ ከኣ ምስኡ ነበረ፣ ንሱ ድማ ኢደ ጥበበኛን ጠላፋይን ብሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ብዝሕብሩ ጸምርን ብቐይሕ ውጹእ ፈትልን ብቕጭን በፍታን ዚኣልም ኣላማይን ነበረ። 24 ኵሉ እቲ ንዅሉ ዕዮ መቕደስ ንምስራሕ ዝወዓለ ወርቂ፡ ማዕረ እቲ እተዋህበ* ኪኸውን ከሎ፡+ ብሲቃል መቕደስ* 29 ታለንትን* 730 ሲቃልን* ነበረ። "25 ብሩር እቶም ካብቲ ኣኼባ እተመዝገቡ ድማ፡ ብሲቃል መቕደስ* 100 ታለንትን 1,775 ሲቃልን ነበረ።" "26 እቲ ኻብ ነፍሲ ወከፍ እተዋህበ ፍርቂ ሲቃል፡ ማለት ካብቲ ኻብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ+ ዝዀነ 603,550+ ምዝጉብ ዘበለ ዅሉ እተዋህበ፡ ብሲቃል መቕደስ* ፍርቂ ሲቃል ነበረ። " 27 እቲ ብፍሲ እተሰርሐ ዚስኵዓሉ መቘሚ መቕደስን ዚስኵዓሉ መቘሚ መጋረጃን 100 ታለንት ነበረ፣ 100 ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ 100 ታለንት፡ ማለት ሓደ ታለንት ንሓደ ዚስኵዓሉ መቘሚ ነበረ።+ "28 ካብቲ 1,775 ሲቃል ከኣ፡ ነቲ ኣዕኑድ ዚኸውን ዓንቃሪቦታት ገበረሉ፡ ርእሱ ለበጦ፡ ብሓደ እውን ኣላገቦ። " "29 እቲ እተዋህበ* ነሓሲ 70 ታለንትን 2,400 ሲቃልን ነበረ።" 30 በዚ ኸኣ ዚስኵዓሉ መቘሚ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን መሰውኢ ነሓስን ናይ ነሓሲ ርበኡን ኵሉ ኣቕሑ መሰውእን 31 ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ዘሎ ዚስኵዓሉ መቘምን ኣብ ኣፍ ደገ ኣጸድ ዘሎ ዚስኵዓሉ መቘምን ኵሉ ሽኻላት ማሕደርን+ ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዘሎ ሽኻላትን ገበረ። 8 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን ኬድካ፡ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም።+ 2 ምስዳዶም እንተ ኣቢኻ ኸኣ፡ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብቝርዖብ ክወቕዓ እየ።+ 3 ፈለግ ኒል ድማ ብቝርዖብ ሓሰኽሰኽ ኪብል እዩ፣ ደዪበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ኣባይቲ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ እቶናትካን ናብ መልወሲታትካን ኪኣትዋ እየን።+ 4 እተን ቍርዖብ ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም ገላዉኻን ኪድይባ እየን።”’” 5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኣሮን፡ ‘በትርኻ ናብ ልዕሊ ኣፍላግን መትረባት ኒልን ረግረጋትን ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ቝርዖብ ኣደይብ’ በሎ።” 6 ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሐ፣ እተን ቍርዖብ ድማ ደዪበን፡ ንምድሪ ግብጺ ኸደናኣ። 7 እቶም ስሒር ዚግብሩ ኻህናት ግብጺ ግና፡ በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ገበሩ፣ ንሳቶም እውን ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ቝርዖብ ኣደየቡ።+ 8 ፈርኦን ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ነዘን ቍርዖብ ካባይን ካብ ህዝበይን ኬርሕቐለይሲ፡ ንየሆዋ ለምኑለይ፣+ ኣነ ድማ ነቲ ህዝቢ ንየሆዋ ኺስውእ ክሰድዶ እየ” በሎም። 9 ሽዑ፡ ሙሴ ንፈርኦን፡ “እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ካብ ኣባይትኻን ኪርሕቃስ መዓስ ከም ዝልምን ብኽብረትካ ንገረኒ። ኣብ ፈለግ ኒል ጥራይ ድማ ኪተርፋ እየን” በሎ። 10 ንሱ ኸኣ፡ “ጽባሕ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ከም የሆዋ ኣምላኽና ዝበለ ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡+ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። 11 እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ኪርሕቃ እየን። ኣብ ኒል ጥራይ ኪተርፋ እየን” በሎ።+ 12 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹ፣ ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽአን ቍርዖብ፡ ናብ የሆዋ ተማህለለ።+ 13 የሆዋ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝለመኖ ገበረ፣ እተን ቍርዖብ ከኣ ኣብ ኣባይትን ኣብ ኣጸድን ኣብ መሮርን ሞታ። 14 ማእለያ ኣብ ዘይብሉ ዅምራታት ድማ ኰመርወን፣ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት። 15 ፈርኦን ድማ ዕረፍቲ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ኣትረረ፣+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣይሰምዖምን። 16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኣሮን፡ ‘በትርኻ ዘርጊሕካ፡ ንደበቝበቛ ምድሪ ውቓዕ እሞ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ጻጹት* ኪኸውን እዩ’ በሎ።” 17 ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ኣሮን ድማ ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ንደበቝበቛ ምድሪ ወቕዖ እሞ፡ ናብ ሰብን ናብ እንስሳን ጻጹት መጸ። ኵሉ ደበቝበቛ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ጻጹት ኰነ።+ 18 እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት በቲ ስዉር ተግባራቶም ከምኡ ኺገብሩን ጻጹት ኬውጽኡን ፈተኑ፣+ ግናኸ፡ ኣይከኣሉን። እቶም ጻጹት ከኣ ናብ ሰብን ናብ እንስሳን መጹ። 19 እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ድማ ንፈርኦን፡ “እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ”+ በልዎ። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣይሰምዖምን። 20 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ኣንጊህካ ተንስእ እሞ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በል። እንሆ፡ ናብ ማይ ይወጽእ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም። 21 ንህዝበይ እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፡ ናባኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ጽንጽያ ኸልቢ* ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብጻውያን ድማ ብጽንጽያ ኸልቢ ኺመልኣ እየን፣ ነታ ደው ዚብሉላ* ምድሪ እውን ኪሽፍንዋ እዮም። 22 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እታ ህዝበይ ዚቕመጠላ ምድሪ ጎሼን ብርግጽ ክፈልያ እየ። ኣብኣ ጽንጽያ ኸልቢ ኣይኪህሉን እዩ፣+ በዚ ኸኣ ኣነ የሆዋ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዘለኹ ኽትፈልጥ ኢኻ።+ 23 ኣብ መንጎ ህዝበይን ኣብ መንጎ ህዝብኻን ፍልልይ ክገብር እየ። ጽባሕ፡ እዚ ትእምርቲ እዚ ኪኸውን እዩ።”’” 24 የሆዋ ድማ ከምኡ ገበረ፣ ብዙሓት ዕስለታት ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ናብ ቤት ፈርኦንን ናብ ኣባይቲ ገላዉኡን ናብ ኵላ ምድሪ ግብጽን መጹ።+ እታ ምድሪ ድማ ብጽንጽያ ኸልቢ ተበላሸወት።+ 25 ፈርኦን ከኣ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ኪዱ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንኣምላኽኩም ሰውኡ” በሎም። 26 ሙሴ ግና፡ “እቲ ንየሆዋ ኣምላኽና እንስውኦ፡ ኣብ ግብጻውያን ፍንፉን እዩ እሞ፡+ ከምኡ ምግባር ግቡእ ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ፍንፉን ዝዀነ ነገር እንተ ሰዊእና፡ ብዳርባ እምኒዶ ኣይቀትሉናን፧ 27 ከምቲ ዝበለና ደኣ ናብ በረኻ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኽንከይድን ኣብኡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውእን ኢና” በሎ።+ 28 ፈርኦን ከኣ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡ ኽሰድደኩም እየ። ኣርሒቕኩም ግዳ ኣይትኺዱ። ምእንታይ ድማ ለምኑ” በሎም።+ 29 ሙሴ ኸኣ፡ “ካባኻ እወጽእ ኣለኹ፣ ንየሆዋ ድማ ክልምኖ እየ። እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ፡ ጽባሕ ካብ ፈርኦንን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ኪርሕቁ እዮም። ፈርኦን ግዳ ነቲ ህዝቢ ንየሆዋ ኺስውእ ብዘይምስዳድ መሊሱ ኣየላግጸልና”* በለ።+ 30 ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ወጸ፣ ንየሆዋ ኸኣ ለመኖ።+ 31 የሆዋ ድማ ከም ቃል ሙሴ ገበረ፣ እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ካብ ፈርኦንን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ረሓቑ። ሓደ ኣይተረፈን። 32 ግናኸ፡ ፈርኦን መሊሱ ልቡ ኣትረረ፡ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን። 11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ልዕሊ ፈርኦንን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕሪኡ፡ ካብዚ ኺሰድደኩም እዩ።+ እኳ ደኣስ ኪሰድደኩም ከሎ፡ ኪሰጕጐኩም እዩ።+ 2 ሕጂ ኸኣ፡ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ከካብ ጐረቤቶም ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ኪልምኑ ተዛረቦም።”+ 3 የሆዋ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ግብጻውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ገላዉ ፈርኦንን ኣብቲ ህዝብን ኣዝዩ ኽቡር ነበረ። 4 ሙሴ ድማ ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ፍርቂ ለይቲ ኣቢለ፡ ናብ ማእከል ግብጻውያን ክወጽእ እየ፣+ 5 ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዅሉ በዅሪ ኸኣ፡ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እታ መጥሓን እትሕዝ ገረድ፡ ኵሉ በዅሪ እንስሳ እውን ኪመውት እዩ።+ 6 ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ፡ ከምኡ ዝበለ ኸቶ ዘይኰነ፡ መሊሱ ኸኣ ዘይከውን ብርቱዕ ኣውያት ኪኸውን እዩ።+ 7 የሆዋ ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ኪፈሊ ኸም ዚኽእል ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ከልቢ እኳ ናብ እስራኤላውያን፡ ናብ ሰቦም ወይ ናብ ማሎም ኣይኪነብሕን* እዩ።’+ 8 ኵሎም ገላዉኻ ድማ ብርግጽ ናባይ ኪወርዱ፡ ‘ንስኻ ምስ ኵሉ እቲ ዚስዕበካ ህዝቢ ኺድ’+ እናበሉ ድማ ኪሰግዱለይ እዮም። ድሕርዚ፡ ክወጽእ እየ።” ካብ ፈርኦን ከኣ ብቝጥዓ ነዲዱ ወጸ። 9 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕ፡+ ፈርኦን ኣይኪሰምዓኩምን እዩ”+ በሎ። 10 ሙሴን ኣሮንን ከኣ፡ እዚ ዅሉ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበሩ፣+ የሆዋ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ፣ ንሱ ድማ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሩ ኣይሰደዶምን።+ 2 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ ቤት ሌዊ ንሓንቲ ጓል ሌዊ ተመርዓወ።+ 2 እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ምስ ረኣየት፡ ሰለስተ ወርሒ ሓብኣቶ።+ 3 ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡+ ሳጹን ጳጲሮስ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፣ ነቲ ሕጻን ናብኡ ኣእትያ ድማ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ዘሎ ሻምብቆታት ኣንበረቶ። 4 ሓብቱ+ ኸኣ እንታይ ከም ዚኸውን ክትርኢ፡ ርሕቕ ኢላ ደው በለት። 5 ጓል ፈርኦን ድማ ኣብ ኒል ክትሕጸብ ወረደት፣ ኣግራዳ ድማ ኣብ ገምገመ ገምገም ኒል ይዛወራ ነበራ። ኣብ መንጎ እቲ ሻምብቆታት ከኣ ነቲ ሳጹን ረኣየቶ። ብኡብኡ፡ ከተምጽኦ ኢላ ንባርያኣ ለኣኸታ።+ 6 ምስ ከፈተቶ፡ ነቲ ሕጻን ረኣየቶ፣ እቲ ቘልዓ ድማ ይበኪ ነበረ። ራሕርሐትሉ፣ “እዚ ኻብ ሕጻናት እብራውያን እዩ” ኸኣ በለት። 7 ሓብቱ ኸኣ ንጓል ፈርኦን፡ “ካብ እብራውያን ነዚ ሕጻን እዚ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽጽውዓልኪ ክኸይድ፧” በለታ። 8 ጓል ፈርኦን ድማ፡ “ኪዲ” በለታ። ብኡብኡ፡ እታ ጓል ከይዳ፡ ንኣደ እቲ ሕጻን ጸውዓታ።+ 9 ጓል ፈርኦን ከኣ፡ “ነዚ ሕጻን እዚ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፣ ኣነ ድማ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ። 10 እቲ ሕጻን ምስ ዓበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦን ኣምጽኣቶ፣ ወዳ ድማ ኰነ።+ “ካብ ማይ ስለ ዘውጻእክዎ” ኢላ ስሙ ሙሴ* ኣውጽኣትሉ።+ 11 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ሙሴ ምስ ዓበየ፡* ነቲ ብርቱዕ ሽቕለቶም* ኪርኢ ናብ ኣሕዋቱ ወጸ።+ ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እብራዊ፡ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ፡ ኪወቕዖ ድማ ረኣየ። 12 ናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሓብኦ።+ 13 በታ እትቕጽል መዓልቲ ድማ ወጸ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ከኣ ይብኣሱ ነበሩ። ነቲ ዝዓመጸ፡ “ስለምንታይ ንብጻይካ እትወቕዖ፧” በሎ።+ 14 ንሱ ድማ፡ “መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ደሊኻ፧” በሎ።+ ሽዑ፡ ሙሴ ፈርሀ፡ “እዚ ነገር እዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ” ድማ በለ። 15 ፈርኦን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ሰሚዑ፡ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ፈርኦን ሃዲሙ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ኪቕመጥ ከደ፣+ ኣብ ጥቓ ዒላ ኸኣ ኮፍ በለ። 16 ካህን ሚድያን+ ድማ ሸውዓተ ኣዋልድ ነበራኦ፣ ንሳተን ከኣ መጺአን ንመጓሰ ኣቦአን ኬስትያ ኢለን፡ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። 17 ጓሶት ግና ከም ልማዶም መጺኦም ሰጐጕወን። ሽዑ፡ ሙሴ ተንሲኡ ረድአን፡* መጓሰአን እውን ኣስተየ። 18 ናብ ኣቦአን ረዑኤል*+ ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፡ “ሎሚ ደኣ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፧” በለን። 19 ንሳተን ድማ፡ “ሓደ ግብጻዊ+ ኻብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣናጊፉና፡ ማይ ቀዲሑ እውን ንኣባጊዕና ኣስትዩልና” በላኦ። 20 ንሱ ኸኣ ንኣዋልዱ፡ “ኣበይ ደኣ ኣሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብኣይ ሓዲግክናኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ” በለን። 21 ድሕርዚ፡ ሙሴ ምስቲ ሰብኣይ ኪቕመጥ ፈተወ፣ ንሱ ኸኣ ጺጶራ+ ጓሉ ሰበይቱ ኽትኰኖ ንሙሴ ሃቦ። 22 ወዲ ድማ ወለደት፣ “ኣብ ምድሪ ጓና፡ ጓና ዀይነ”+ ኢሉ ስሙ ጌርሾም*+ ኣውጽኣሉ። 23 ድሕሪ ብዙሕ እዋን፡* ንጉስ ግብጺ ሞተ።+ እስራኤላውያን ግና ብሰንኪ ባርነቶም እህህ ይብሉን ይጭርሑን ነበሩ፣ እቲ ብሰንኪ ባርነቶም ዜእውይዎ ኣውያት ድማ፡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ።+ 24 ኣምላኽ ከኣ ቍዝማኦም ሰምዐ፣+ ኣምላኽ ድማ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ።+ 25 ስለዚ፡ ኣምላኽ ናብ እስራኤላውያን ረኣየ፣ ኣምላኽ ድማ ኣስተብሃለ። 26 “ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብእተገብረ ዓሰርተ ዓለባ ድንኳን፡ ማሕደር+ ግበር። ኣብኡ ድማ ኪሩቤል+ ጥለፈሉ።+ 2 ሓደ ዓለባ ድንኳን 28 እመት* ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ይኹን። ኵሉ እቲ ዓለባታት ድንኳን መጠኑ ማዕረ ይኹን።+ 3 እቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ንሓድሕዱ ይላገብ፣ እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ከኣ ብሓደ ይላገብ። 4 ኣብ ጥርዚ እቲ ብሓደ እተላገበ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት* ግበር፣ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ወሰናይ እውን ከምኡ ግበር። 5 ኣብቲ ሓደ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ ግበር፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ኻልኣይ ዓለባ ድንኳን እውን 50 መኸንትቦ ግበር፣ በዚ ኸምዚ ኣብ መላግቦታቱ ኣብ መንጽር ሓድሕዱ ይኸውን። 6 50 መቘለፊ* ወርቂ ግበር እሞ፡ ነቲ ዓለባታት ድንኳን በቲ መቘለፊታት ብሓደ ኣላግቦ፣ እቲ ማሕደር ከኣ ሓደ ኪኸውን እዩ።+ 7 “ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ዓለባታት ድማ ካብ ጸጕሪ ጤል+ ግበር። 11 ዓለባ ድንኳን ግበር።+ 8 ሓደ ዓለባ ድንኳን 30 እመት ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ይኹን። ኵሉ እቲ 11 ዓለባ ድንኳን መጠኑ ማዕረ ይኹን። 9 እቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ብሓደ ይላገብ፣ እቲ ዝተረፈ ሽዱሽተ ዓለባ ድንኳን ድማ ብሓደ ይላገብ፣ ነቲ ሻድሻይ ዓለባ ድንኳን ከኣ ኣብ ቅድሚት እቲ ድንኳን ዕጸፎ። 10 ኣብ ጥርዚ እቲ ብሓደ እተላገበ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ ግበር፣ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ዓለባ ድንኳን ድማ 50 መኸንትቦ ግበር። 11 50 መቘለፊ ነሓሲ ግበር እሞ፡ ነቲ መቘለፊታት ኣብቲ መኸንትቦታት ኣእቲኻ ነቲ ድንኳን ኣላግቦ፣ ሓደ ኸኣ ኪኸውን እዩ። 12 እቲ ዚተርፍ ክፋል እቲ ዓለባታት ድንኳን ይጀርብብ። ፍርቂ እቲ ዚተርፍ ክፋል እቲ ዓለባ ድንኳን፡ ብድሕሪት እቲ ማሕደር ይጀርብብ። 13 እቲ ዚተርፍ ንውሓት እቲ ዓለባታት፡ ምእንቲ ኺሽፍኖስ ብኽልተ ጐድኒ እቲ ማሕደር ሓሓደ እመት ይጀርብብ። 14 “ብቐይሕ ካብ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል እውን ነቲ ድንኳን መኽደኒ ግበረሉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ካብ ቈራብቲ ታሓሽ* መኽደኒ ግበረሉ።+ 15 “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ደው ዚብል+ መቓናት ሉሕ+ ግበር። 16 ቍመት ሓደ መቓን ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን። 17 ኣብ ሓደ መቓን ሉሕ ንሓድሕዱ እተላገበ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፍ* ኣሎ። ንዅሉ መቓናት ሉሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ግበሮ። 18 ብደቡባዊ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ 20 መቓን ሉሕ ግበረሉ። 19 “ኣብ ትሕቲ እቲ 20 መቓን ሉሕ ድማ፡ ካብ ብሩር 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ግበር፦+ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ነቲ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፉ ዚኸውን ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ ከኣ ነቲ ኸክልተ ተሰኳዒ ጫፍ ዚኸውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይኹን።+ 20 በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ብሰሜናዊ ሸነኽ፡ 20 መቓን ሉሕ ግበር። 21 ካብ ብሩር ድማ 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ግበር፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ እውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይኹን። 22 ነቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ሸነኽ ድሕሪት እቲ ማሕደር፡ ሽዱሽተ መቓን ሉሕ ግበር።+ 23 ንኽልተ ዓንዲ መኣዝን ድሕሪት እቲ ማሕደር ዚኸውን ክልተ መቓን ሉሕ ግበር። 24 ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ኽሳብ ላዕሊ፡ ክሳብ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት ድርብ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን፣ እዚ ኸኣ ክልተ ዓንዲ መኣዝን ይኸውን። 25 ሸሞንተ መቓን ሉሕን ካብ ብሩር ከኣ 16 ዚስኵዓሉ መቘምን፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ፡ ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ እውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይኹን። 26 “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ተገዳም ግበር፣ ነቲ ብሓደ ሸነኽ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ሓሙሽተ፡+ 27 ነቲ ብኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ከኣ ሓሙሽተ ተገዳም፡ ነቲ ብሸነኽ ድሕሪት ብምዕራብ እቲ ማሕደር ዘሎ መቓናት ሉሕ ድማ ሓሙሽተ ተገዳም ግበር። 28 እቲ ኣብ ማእከል እቲ መቓናት ሉሕ ዘሎ ማእከላይ ተገዳም፡ ካብ ወሰን ክሳብ ወሰን ይብጻሕ። 29 “ነቲ መቓናት ሉሕ ብወርቂ ለብጦ፣+ ነቲ ተገዳማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ኸኣ ብወርቂ ግበሮ፣ ነቲ ተገዳማት እውን ብወርቂ ለብጦ። 30 ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረኣኻዮ ውጥኑ ጌርካ ትኸሎ።+ 31 “ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን፡ መጋረጃ+ ግበር። ኪሩቤል እተጠልፉሉ ዀይኑ ይገበር። 32 ኣብቲ ብወርቂ እተለበጠ ኣርባዕተ ዓንዲ ሰራው ስቐሎ። እቲ ዓንቃሪቦታቱ ኻብ ወርቂ ይኹን። እቲ ኣዕኑድ ከኣ ካብ ብሩር ኣብ እተገብረ ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይቑም። 33 ነቲ መጋረጃ ኣብ ትሕቲ እቲ መቘለፊታት ስቐሎ፣ ነቲ ታቦት ምስክር+ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ መንጎ ቕድስትን+ ቅድስተ ቕዱሳንን+ ይፍለየልኩም። 34 ነቲ መኽደኒ ድማ ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ምስክር ግበሮ። 35 “ነቲ ሰደቓ ኣብ ወጻኢ እቲ መጋረጃ ኣንብሮ፣ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል+ ከኣ ኣብ መንጽር እቲ ሰደቓ፡ ብሸነኽ ደቡብ እቲ ማሕደር ይኹን፣ ነቲ ሰደቓ ድማ ብሸነኽ ሰሜኑ ኣንብሮ። 36 ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብሓደ ብምእላም፡ መጋረዲ* ግበር።+ 37 ነቲ መጋረዲ* ኸኣ ሓሙሽተ ዓንዲ ሰራው ግበረሉ፣ ንዕኡ ድማ ብወርቂ ለብጦ። እቲ ዓንቃሪቦታቱ ኻብ ወርቂ ይኹን፣ ካብ ነሓሲ ኸኣ ሓሙሽተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ብፍሲ ግበረሉ። 4 ሙሴ ግና፡ “ንሳቶም፡ ‘የሆዋ ኣይተራእየካን’ ኢሎም እንተ ዘይኣመኑንን ንቓለይ እንተ ዘይሰምዑንከ፧”+ ኢሉ መለሰ። 2 የሆዋ ድማ፡ “እታ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “በትሪ” በለ። 3 ንሱ ድማ፡ “ናብ ምድሪ ደርብያ” በሎ። ንሱ ኸኣ ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን እውን ኰነት፣+ ሙሴ ኸኣ ካብኡ ሃደመ። 4 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኢድካ ዘርጊሕካ ብጭራኡ ሓዞ” በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ሓዞ፣ ኣብ ኢዱ ድማ በትሪ ዀነ። 5 ሽዑ፡ ኣምላኽ፡ “እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን+ ከም እተራእየካ ምእንቲ ኺኣምኑ እዩ”+ በሎ። 6 የሆዋ ድማ መሊሱ፡ “በጃኻ ኢድካ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳንካ ኣእቱ” በሎ። ንሱ ኸኣ ኢዱ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳኑ ኣእተወ። ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ ኢዱ ብደዌ ኸም ውርጪ ጻዕድያ ነበረት።+ 7 ድሕርዚ፡ “ኢድካ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳንካ ምለስ” በሎ። ንሱ ኸኣ ኢዱ ናብ ላዕለዋይ ዕጻፍ ክዳኑ መለሰ። ካብ ክዳኑ ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ዀነት። 8 ንሱ ኸኣ፡ “እንተ ዘይኣሚኖምኻ ወይ ነቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘየቕሊቦምሉ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ትእምርቲ ብርግጽ ኬቕልቡሉ እዮም።+ 9 ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይኣሚኖምሉ፡ ቃልካ ኸኣ እንተ ዘይሰሚዖም፡ ካብ ፈለግ ኒል ማይ ውሰድ እሞ፡ ኣብ ንቑጽ ምድሪ ኣፍስሶ፣ እቲ ኻብ ኒል ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ፡ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ” በሎ።+ 10 ሙሴ ድማ ንየሆዋ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡* ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ቅድሚ ሕጂ ዀነ፡ ሕጂ ንጊልያኻ ኻብ እትዛረቦ ንነጀው፡ ክኢላ ተዛራቢ ኣይኰንኩን” በሎ።+ 11 የሆዋ ኸኣ፡ “ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ከኣ፡ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ብንጹር ዚርኢ ወይ ዕዉር ዚገብሮ መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ ደይኰንኩን፧ 12 ስለዚ፡ ኪድ እሞ፡ ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ* ክኸውን፡ እቲ እትብሎ ድማ ክምህረካ እየ” በሎ።+ 13 ንሱ ግና፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ በጃኻ እትልእኮ ደኣ ልኣኽ” በሎ። 14 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ሙሴ ነደደ፣ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ኣሮን+ እቲ ሌዋዊ ሓውካዶ የሎን፧ ንሱ ንፉዕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ኪቕበለካ ኸኣ ናብዚ ይመጽእ ኣሎ። ምስ ረኣየካ፡ ልቡ ኺሕጐስ እዩ።+ 15 ስለዚ፡ ተዛረቦ፡ ኣብ ኣፉ እውን ቃላት ኣንብር።+ ክትዛረብ ከለኻ ድማ፡ ኣነ ምሳኻን ምስኡን ክኸውን እየ፣+ እንታይ ከም እትገብሩ ድማ ክምህረኩም እየ። 16 ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ኺዛረብ እዩ፣ ኣፈኛ ድማ ኪዀነካ እዩ፣ ንስኻ ኸኣ ከም ኣምላኽ ክትኰኖ* ኢኻ።+ 17 ነዛ በትሪ እዚኣ ድማ ኣብ ኢድካ ኽትወስዳን ብእኣ ትእምርትታት ክትገብርን ኢኻ።”+ 18 ሙሴ ኸኣ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ፡+ “በጃኻ፡ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ ገና ብህይወት እንተ ኣለዉ ኽርኢ ክኸይድ” በሎ። የትሮ ድማ ንሙሴ፡ “ብሰላም ኪድ” በሎ። 19 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ሚድያን፡ “ኵሎም እቶም ኪቐትሉኻ ዚደልዩ* ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም እዮም እሞ፡ ኪድ ናብ ግብጺ ተመለስ” በሎ።+ 20 ሽዑ፡ ሙሴ ንሰበይቱን ንደቁን ኣብ ኣድጊ ኣወጢሑ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኺምለስ ነቐለ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ። 21 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ግብጺ ምስ ተመለስካ፡ ነቲ ኽትገብሮ ኢለ ኣኽእሎ ዝሃብኩኻ ዅሉ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ተጠንቂቕካ ግበሮ።+ ኣነ ግና፡ ልቡ ኺተርር ክሓድጎ እየ፣+ ንሱ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣይኪሰድዶን እዩ።+ 22 ንፈርኦን ከኣ፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ኢሉ፦ “እስራኤል ወደይ፡ በዅረይ እዩ።+ 23 እብለካ ኣለኹ፦ ንወደይ ኬገልግለኒ ስደዶ። ምስዳዱ እንተ ኣቢኻ ግና፡ ኣነ ንወድኻ፡ ንበዅርኻ ክቐትል እየ”’ በሎ።”+ 24 ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ፡ የሆዋ+ ተራኸቦ፡ ኪቐትሎ እውን ደለየ።+ 25 ሽዑ፡ ጺጶራ+ ጽንጽሕለ* ወሲዳ፡ ንወዳ ገዘረቶ፣ እቲ ዕልቦኡ ንኣእጋሩ ኸም ዚትንኪ ምስ ገበረት ከኣ፡ “ንስኻ ንዓይ ናይ ደም መርዓዊ ስለ ዝዀንካ እዩ” በለት። 26 ንሱ ድማ ሓደጎ። ሽዑ፡ ብምኽንያት እቲ ግዝረት፡ “ናይ ደም መርዓዊ” በለት። 27 የሆዋ ኸኣ ንኣሮን፡ “ንሙሴ ኽትረኽቦ ናብ በረኻ ኺድ” በሎ።+ ንሱ ድማ ከይዱ ኣብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ+ ረኸቦ፡ ሰዓሞ ኸኣ። 28 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ኵሉ ቓላት እቲ ዝለኣኾ የሆዋን+ ኵሉ እቲ ኺገብሮ ዝኣዘዞ ትእምርትታትን ነገሮ።+ 29 ድሕርዚ፡ ሙሴን ኣሮንን ከይዶም ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤላውያን ኣከብዎም።+ 30 ኣሮን ከኣ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ እተዛረቦ ቓላት ነገሮም፣ ነቲ ትእምርትታት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ህዝቢ ገበሮ።+ 31 ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ኣመነ።+ የሆዋ ንእስራኤላውያን ቈላሕታ ኸም ዝገበረሎምን+ ጸበባኦም ከም ዝረኣየን+ ምስ ሰምዑ፡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ። 37 በሳልኤል+ ድማ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ታቦት+ ገበረ። ንውሓቱ ኽልተ እመትን* ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ቍመቱ ድማ እመትን ፈረቓን ነበረ።+ 2 ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ውሽጡን ግዳሙን ለበጦ፣ ብዙርያኡ ድማ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ገበረሉ።+ 3 ድሕሪኡ፡ ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርባዕተ እግሩ፡ ማለት ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ በቲ ኻልኣይ ሸነኹ ብፍሲ ሰርሓሉ። 4 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ዘንግታት ገበረ እሞ፡ ብወርቂ ለበጦ።+ 5 እቲ ታቦት ምእንቲ ኺጽወር ከኣ፡ ነቲ ዘንግታት ናብቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ።+ 6 ካብ ጽሩይ ወርቂ መኽደኒ ገበረ፣+ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።+ 7 ካብ ወርቂ ድማ ክልተ ኪሩቤል ገበረ፣+ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ብሞደሻ ቐጥቂጡ ገበሮም።+ 8 እቲ ሓደ ኪሩብ በቲ ሓደ ወሰን፡ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ በቲ ኻልኣይ ወሰን ነበረ። ነቶም ኪሩቤል ሰሪሑ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ገበሮም። 9 እቶም ክልተ ኪሩቤል፡ ኣኽናፎም ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ መኽደኒ ብኣኽናፎም ኣጽለልዎ።+ ፊት ንፊት ድማ ነበሩ፣ ገጾም ከኣ ናብቲ መኽደኒ ኣቢሉ ነበረ።+ 10 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እውን ሰደቓ ገበረ።+ ንውሓቱ ኽልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።+ 11 ብጽሩይ ወርቂ ድማ ለበጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ገበረሉ። 12 ብዙርያኡ ድማ ክንዲ ስፍሓት ኢድ* ዝግፍሑ ጥርዚ ገበረሉ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ጥርዚ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ገበረሉ። 13 ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ብፍሲ ሰሪሑ ኸኣ፡ ነቲ ቐላብቲ ኣብቲ እቲ ኣርባዕተ እግሪ ዚጋጠመሉ ኣርባዕተ መኣዝን ገበሮ። 14 እቲ ቐላብቲ፡ ንምጻር እቲ ሰደቓ ዚኸውን ዘንግታት ምእንቲ ኺኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ጥርዚ ነበረ። 15 ነቲ ሰደቓ ንምጻር ድማ፡ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ገበረ እሞ፡ ብወርቂ ለበጦ። 16 ድሕርዚ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብቲ ሰደቓ ዚኸውን ኣቕሑ፡ ማለት ጻሕልታቱን ጽዋኣቱን መስዋእቲ መስተ ዚፈስሰሉ ጭሔሎታቱን ዕትሮታቱን ገበረ።+ 17 ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ቀዋሚ ቐንዴል+ ገበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሞደሻ ቐጥቂጡ ገበሮ። መቘሚኡን ጕንዱን ጨናፍሩን ጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ብሓደ እተገብረ ነበረ።+ 18 ካብ ጕንዱ ኸኣ ሽዱሽተ ጨንፈር ይዝርጋሕ ነበረ፣ ማለት ሰለስተ ጨንፈር ካብቲ ሓደ ጐድኑ፡ ሰለስተ ጨንፈር ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ጐድኑ ይዝርጋሕ ነበረ። 19 ኣብ ሓደ ጕጅለ ጨናፍር፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ጕጅለ ጨናፍር ድማ፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ። እቲ ኻብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር በዚ ኸምዚ ተገብረ። 20 ኣብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ከም ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን ተዛኒቑ ነበረ። 21 ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብቲ ጕንዲ ዚወጽእ ቀዳማይ ክልተ ጨንፈር ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር እውን ሓደ ኸቢብ ነበረ፣ ኰታስ ካብ ጕንዲ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ንዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ተገይሩሉ ነበረ። 22 እቲ ኸበብትን እቲ ጨናፍርን ብምሉኡ እቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ብሓደ እተገብረ ነበረ። 23 ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ሸውዓተ ቐንዴሉን+ ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን ናቱ መትሓዚታት ሓውን ገበረ። 24 ንዕኡ ምስ ኵሉ ኣቕሑኡ፡ ካብ ሓደ ታለንት* ጽሩይ ወርቂ ገበሮ። 25 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ መሰውኢ ዕጣን+ ገበረ። ሓደ እመት ዝንውሓቱን ሓደ እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ክልተ እመት ነበረ። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ነበረ።+ 26 ላዕሉን ብዙርያኡ ዘሎ ጐድንታቱን ኣቕርንቱን ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ገበረሉ። 27 ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገበረሉ እሞ፡ እቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት ኣብኡ ኺኣቱ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መኽፈፍ* ብኽልቲኡ ሸነኹ ገበሮ። 28 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ ዘንግታት ገበረ እሞ፡ ብወርቂ ለበጦ። 29 ብውሕሉል መገዲ እተዋሃሃደ* ቕዱስ ዘይቲ ቕብኣትን+ ጽሩይ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ እውን ገበረ። 40 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 2 “ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ትኸሎ።+ 3 ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንብሮ፣+ ነቲ ታቦት ከኣ በቲ መጋረጃ ጋርዶ።+ 4 ነቲ ሰደቓ ኣእቲኻ ድማ፡+ እቲ ኣብኡ ዚንበር ነገራት ስራዕ፣ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል+ ኣእቲኻ ኸኣ፡ ነቲ ቐነዲሉ ኣብርሃዮ።+ 5 ነቲ ንዕጣን ዚኸውን ወርቃዊ መሰውኢ+ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፣ ነቲ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ማሕደር ከኣ ኣብ ቦታኡ ኣንብሮ።+ 6 “ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ+ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣንብሮ፣ 7 ነቲ ገበራ ኸኣ ኣብ መንጎ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢርካ፡ ማይ ኣዕርቐሉ።+ 8 ነቲ ኣጸድ+ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፣ ነቲ መጋረዲ*+ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ግበሮ። 9 ዘይቲ ቕብኣት+ ወሲድካ ድማ፡ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅብኣዮ፣+ ንዕኡን ንዅሉ ኣቕሑኡን ቀድሶ እሞ፡ ቅዱስ ኪኸውን እዩ። 10 ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ንዅሉ ኣቕሑኡን ድማ ቅብኣዮ፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ቀድሶ እሞ፡ ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን እዩ።+ 11 ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ድማ ቅብኣዮን ቀድሶን። 12 “ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ፡ ብማይ ሕጸቦም።+ 13 ንኣሮን፡ እቲ ቕዱስ ክዳውንቲ ኸዲንካ፡+ ካህን ኪዀነኒ ቕብኣዮን+ ቀድሶን። 14 ድሕሪኡ፡ ንደቁ ኣቕሪብካ፡ ወለል ዚብል ክዳውንቲ ኽደኖም።+ 15 ከምቲ ንኣቦኦም ዝቐባእካዮ፡ ንዓታቶም እውን ካህናት ኪዀኑኒ ቕብኣዮም፣+ እቲ ቕብኣቶም ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ሓዋሩ ኽህነት ይኹነሎም።”+ 16 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ።+ ልክዕ ከምኡ ገበረ። 17 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እቲ ማሕደር ተተኽለ።+ 18 ሙሴ ነቲ ማሕደር ኪተኽሎ ኸሎ፡ ነቲ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱ+ ኣንቢሩ፡ ነቲ መቓናት ሉሕ+ ኣቚሙ፡ ንተገዳማቱ+ ኣእትዩ፡ ንኣዕኑዱ ተኸሎ። 19 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ድንኳን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ነቲ መኽደኒ+ እቲ ድንኳን ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ገበሮ። 20 ነቲ ምስክር+ ወሲዱ ኸኣ ናብቲ ታቦት+ ኣእተዎ፣ ነቲ ዘንግታት+ ድማ ኣብቲ ታቦት ገበሮ፣ ነቲ መኽደኒ+ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት+ ገበሮ። 21 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብቲ ማሕደር ኣእትዩ ኸኣ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ+ ኣብ ቦታኡ ገበሮ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ጋረዶ።+ 22 ነቲ ሰደቓ+ ኸኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብሸነኽ ሰሜን እቲ ማሕደር፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ፣ 23 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ዚስራዕ እንጌራ+ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰርዖ። 24 ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል+ ከኣ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር እቲ ሰደቓ፡ ብሸነኽ ደቡብ እቲ ማሕደር ኣንበሮ። 25 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ነቲ ቐነዲል+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብርሆ። 26 ነቲ ወርቃዊ መሰውኢ+ ኸኣ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ኣንበሮ፣ 27 እዚ ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን+ ምእንቲ ኺዓጥነሉ እዩ።+ 28 ነቲ መጋረዲ*+ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ገበሮ። 29 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ እኽልን ምእንቲ ኺስውኣሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣንበሮ። 30 ነቲ ገበራ ኸኣ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን ኣብ መንጎ እቲ መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ።+ 31 ሙሴን ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ተሓጽቡ። 32 ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዚኣትዉ፡ ወይ ናብቲ መሰውኢ ምስ ዚቐርቡ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ይሕጸቡ ነበሩ።+ 33 ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደርን እቲ መሰውእን ከኣ ኣጸድ+ ገበረ፣ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ኣጸድ እውን ገበረ።+ ሙሴ ድማ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ። 34 ደበና ኸኣ ንድንኳን ምርኻብ ኣጐልበቦ፣ ክብሪ የሆዋ ድማ ነቲ ማሕደር መልኦ።+ 35 እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈን ክብሪ የሆዋ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረን፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣቱ ኣይከኣለን።+ 36 ኣብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጕዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ እቲ ደበና ኻብቲ ማሕደር ምስ ተላዕለ፡ ይነቕሉ ነበሩ።+ 37 እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዓለላ መዓልቲ ኣይነቕሉን ነበሩ።+ 38 ከመይሲ፡ ኵሉ ቤት እስራኤል፡ ኣብ ኵሉ እቲ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዚጕዓዘሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ብመዓልቲ ደበና የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።+ 16 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚነቕሉ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ካብ ኤሊም ነቒሎም፡ ናብታ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ዘላ በረኻ ሲን መጹ።+ 2 ሽዑ፡ ብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።+ 3 እስራኤላውያን ከኣ፡ “ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከለና፡ ብኢድ የሆዋ እንተ ንመውት መን ምሃበ፧+ ሕጂ፡ ነዚ ዅሉ ጉባኤ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብዚ በረኻ ኣውጺእኩምና” ይብልዎም ነበሩ።+ 4 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማያት እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ፣+ እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚመላለሱ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ምእንቲ ኽፍትኖምሲ፡+ ነፍሲ ወከፎም ወጺኦም ነንመዓልቲ ዚዀኖም ይኣክቡ።+ 5 ግናኸ፡ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ+ ነቲ ዝኣከብዎ ኼዳልዉ ኸለዉ፡ ካብቲ ነንመዓልቲ ዚኣርይዎ ዕጽፊ ይኹን።”+ 6 ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም እስራኤላውያን፡ “እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም የሆዋ ምዃኑ፡ ምሸት ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 7 እቲ ኣብ ልዕሊ የሆዋ ዘጕረምረምኩምዎ፡ ንሱ ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ንግሆ ኽብሪ የሆዋ ኽትርእዩ ኢኹም። ኣብ ልዕሌና እተጕረምርሙስ ንሕና እንታዎት ኢና፧” በልዎም። 8 ሙሴ ድማ፡ “የሆዋ ምሸት ክትበልዑ ስጋ፡ ንግሆ ኸኣ ክትጸግቡ እንጌራ ኺህበኩም ከሎ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረምኩምዎ ምጕርምራም ከም ዝሰምዐ ኽትርእዩ ኢኹም። ንሕና ግና እንታዎት ኢና፧ ኣብ ልዕሊ የሆዋ ኢኹም ዘጕረምረምኩም እምበር፡ ኣብ ልዕሌና ኣይኰነን” በሎም።+ 9 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን፡ ‘ምጕርምራምኩም ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕረቡ’ በሎም” በሎ።+ 10 ኣሮን ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ምስ ተዛረቦም፡ ተጠውዮም ናብቲ በረኻ ገጾም ገበሩ፣ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ የሆዋ ብደበና ተራእየ።+ 11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12 “ምጕርምራም እስራኤላውያን ሰሚዐ ኣለኹ።+ ‘ጽልግልግ ምስ በለ፡* ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፣ ንግሆ ኸኣ እንጌራ ኽትጸግቡ ኢኹም።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም’+ ኢልካ ንገሮም።” 13 ስለዚ፡ በታ ምሸት እቲኣ፡ ብርኒጎታት መጺአን ነቲ ሰፈር ከደናኦ፣+ ንግሆ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውሊ ዀነ። 14 እቲ ኣውሊ ምስ ሃፈፈ፡ ኣብ ገጽ እቲ በረኻ፡ ኣብ ምድሪ ኸም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ቕርፍቲ ዚመስል ነገር ነበረ።+ 15 እስራኤላውያን ነዚ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን ነበሩ እሞ፡ ንሓድሕዶም፡ “እንታይ እዩ፧” ተባሃሃሉ። ሙሴ ኸኣ፡ “እዚ፡ የሆዋ ኽትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጌራ እዩ።+ 16 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ከከም እቲ ኺበልዖ ዚኽእል ይኣክብ። ነፍሲ ወከፍኩም ከም ቍጽሪ እቲ ኣብ ደድንኳንኩም ዘለዉ ሰባት፡* ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ኦመር*+ ይውሰድ’” በሎም። 17 እስራኤላውያን ከምኡ ገበሩ፣ ኪእክቡ ኸለዉ ድማ፡ ገሊኦም ብዙሕ፡ ገሊኦም ከኣ ሒደት ኣከቡ። 18 ብኦመር ምስ ሰፈርዎ ኸኣ፡ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣይተረፎን፡ እቲ ሒደት ዝኣከበ እውን ኣይጐደሎን።+ ነፍሲ ወከፎም ከምቲ ኺበልዕዎ ዚኽእሉ ኣከቡ። 19 ሙሴ ድማ፡ “ሓደ እኳ ገለ ኻብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣየትርፍ” በሎም።+ 20 ንሳቶም ግና ንሙሴ ኣይሰምዕዎን። ገሊኦም ሰባት ካብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ምስ ኣትረፉ፡ ሓሰኸን በድበደን፣ ሙሴ ኸኣ ተቘጥዖም። 21 ነፍሲ ወከፎም ንግሆ ንግሆ ኸከምቲ ዚበልዕዎ ይኣርዩ ነበሩ። ጸሓይ ምስ ሞቐት ግና፡ መኸኸ። 22 ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ ካብቲ እንጌራ ዕጽፊ፡+ ንነፍሲ ወከፍ ክልተ ኦመር ኣረዩ። ኵሎም ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ ድማ መጺኦም ንሙሴ ነገርዎ። 23 ንሱ ኸኣ፡ “እዚ፡ እቲ የሆዋ ዝበሎ እዩ። ጽባሕ ምሉእ ዕረፍቲ፡* ንየሆዋ ቕድስቲ ሰንበት ክትከውን እያ።+ እትስንክትዎ ሰንክቱ፡ እተብስልዎ እውን ኣብስሉ፣+ ንዝተረፈ ዘበለ ኸኣ ኣንብርዎ፡ ክሳዕ ጽባሕ ድማ ዕቘርዎ” በሎም። 24 ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከኣ፡ ክሳዕ ንጽባሒቱ ኣንበርዎ፣ ንሱ እውን ኣይበድበደን ወይ ኣይሓሰኸን። 25 ሙሴ ድማ፡ “ሎሚ ንየሆዋ ሰንበት እያ እሞ፡ ሎሚ ብልዕዎ። ሎሚ ኣብ ምድሪ ኣይክትረኽብዎን ኢኹም። 26 ሽዱሽተ መዓልቲ ኽትኣርዩ ኢኹም፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ብሰንበት+ ግና፡ ኣይኪርከብን እዩ” በለ። 27 ይኹን እምበር፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ገለ ኻብቶም ህዝቢ ኺኣርዩ ወጹ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸቡን። 28 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕግታተይን ምሕላው ክትኣብዩ፧+ 29 የሆዋ ንሰንበት ሂቡኩም ከም ዘሎ ርኣዩ።+ ስለዚ እዩ ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን እንጌራ ዝሃበኩም። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ቦታኡ ኣይውጻእ።” 30 እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ሰንበት ኣብዓለ።*+ 31 ቤት እስራኤል ድማ ነቲ እንጌራ፡ “ማና”* ኢሎም ሰመይዎ። ከም ፍረ ጻቕዳ ኸኣ ጻዕዳ ነበረ፣ ጣዕሙ ድማ ከም ቅጫ ምስ መዓር ነበረ።+ 32 ሙሴ ኸኣ፡ “የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ፦ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኣኩም ከለኹ ኣብቲ በረኻ ዝሃብኩኹም እንጌራ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ሓደ ኦመር ምልኡ’” በለ።+ 33 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ፍዮ ወሲድካ፡ ናብኣ ሓደ ኦመር ኣእቱ፣ ንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንብሮ” በሎ።+ 34 ኣሮን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምእንቲ ኺዕቈር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር+ ኣንበሮ። 35 እስራኤላውያን ከኣ ሰብ ናብ ዚነብራ ምድሪ ኽሳዕ ዚመጹ፡+ 40 ዓመት ማና በልዑ።+ ናብ ወሰን ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ዚበጽሑ፡ ማና በልዑ።+ 36 ኦመር ከኣ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* እዩ። 6 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ሕጂ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ።+ ብሓያል ኢድ ኪሰድዶም ኪግደድ እዩ፣ ብሓያል ኢድ እውን ኪሰጕጎም ኪግደድ እዩ” በሎ።+ 2 ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ ከምዚ በሎ፦ “ኣነ የሆዋ እየ። 3 ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተረኣኽዎም፣+ ብስመይ የሆዋ+ ግና ኣይተፈለጥኩሎምን።+ 4 እታ ጓኖት ኰይኖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ምድሪ፡ ምድሪ ከነኣን ክህቦም እውን ምሳታቶም ኪዳን ኣቘምኩ።+ 5 ሕጂ ድማ ቍዝማ እቶም ግብጻውያን ባሮት ገይሮምዎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ሰሚዐ ኣለኹ፣ ኪዳነይ ከኣ ዘኪረ ኣለኹ።+ 6 “ስለዚ፡ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣነ የሆዋ እየ፣ ካብ ትሕቲ ብርቱዕ ሽቕለት* ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ፣ ካብ ባርነቶም ከኣ ከናግፈኩም እየ፣+ ብዝርግሕቲ* ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን እውን ከድሕነኩም* እየ።+ 7 ህዝበይ ክትኰኑ ድማ ክወስደኩም እየ፣ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።+ ኣነ ኻብ ትሕቲ ብርቱዕ ሽቕለት* ግብጺ ዘውጽኣኩም የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ድማ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም። 8 ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም* ምድሪ ኸእትወኩም እየ፣ ንዓኻትኩም ድማ ርስቲ ገይረ ኽህበኩም እየ።+ ኣነ የሆዋ እየ።’”+ 9 ጸኒሑ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን እዚ መልእኽቲ እዚ ነገሮም፣ ንሳቶም ግና ተስፋ ኻብ ምቝራጾምን ካብ ብርቱዕ ባርነትን እተላዕለ፡ ንሙሴ ኣይሰምዕዎን።+ 10 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ 11 “ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቲኻ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሩ ኺሰድዶም ተዛረቦ” በሎ። 12 ሙሴ ግና ንየሆዋ፡ “እንሆ፡ እስራኤላውያን እኳ ኣይሰምዑንን፣+ ኣነ ወታእ* እየ እሞ፡ ፈርኦን ግዳ ኸመይ ኢሉ ኺሰምዓኒ፧” ኢሉ መለሰሉ።+ 13 የሆዋ ግና ንሙሴን ንኣሮንን፡ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኼውጽኡ፡ ንእስራኤላውያንን ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን እንታይ ትእዛዝ ከም ዚነግሩ መሊሱ ተዛረቦም። 14 ርእስታት ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡+ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን።+ እዚኣቶም ዓሌታት ሮቤል እዮም። 15 ደቂ ስምኦን፡ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል ወዲ እታ ከነኣናዊትን እዮም።+ እዚኣቶም ዓሌታት ስምኦን እዮም። 16 ስማት ደቂ ሌዊ+ በብትውልዶም እዚ እዩ፦ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን።+ ዓመታት ህይወት ሌዊ 137 ዓመት ነበረ። 17 ደቂ ጌርሾን፡ ሊብኒን ሺምዒን ከከም ዓሌቶም እዮም።+ 18 ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ይጽሃርን ኬብሮንን ዑዚኤልን እዮም።+ ዓመታት ህይወት ቀሃት 133 ዓመት ነበረ። 19 ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን እዮም። እዚኣቶም ከከም ትውልዶም ዓሌታት ሌዋውያን እዮም።+ 20 ዓምራም ከኣ ንዮካቤድ ኣሞኡ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ።+ ንሳ ድማ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ።+ ዓመታት ህይወት ዓምራም፡ 137 ዓመት ነበረ። 21 ደቂ ይጽሃር፡ ቆራሕን+ ነፈግን ዚክሪን እዮም። 22 ደቂ ዑዚኤል፡ ሚሻኤልን ኤሊጻፋንን+ ሲትሪን እዮም። 23 ኣሮን ድማ ንኤሊሼባ ጓል ኣሚናዳብ ሓብቲ ነኣሶን፡+ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ንሳ ኸኣ ንናዳብን ንኣቢሁን ንኣልኣዛርን ንኢታማርን ወለደትሉ።+ 24 ደቂ ቆራሕ፡ ኣሲርን ኤልቃናን ኣብያሳፍን+ እዮም። እዚኣቶም ዓሌታት ቆራሓውያን እዮም።+ 25 ኣልኣዛር+ ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ኻብ ኣዋልድ ጱጢኤል፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ወሰደ። ንሳ ኸኣ ንፊንሃስ ወለደትሉ።+ ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያን፡ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።+ 26 እቶም የሆዋ፡ “ንህዝቢ እስራኤል በብጕጅለኦም* ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽእዎም” ዝበሎም ኣሮንን ሙሴን እዚኣቶም እዮም።+ 27 ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኼውጽኦም እተዛረብዎ እዞም ሙሴን ኣሮንን+ እዚኦም እዮም። 28 በታ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተዛረበላ መዓልቲ፡ 29 የሆዋ ንሙሴ፡ “ኣነ የሆዋ እየ። ኵሉ እዚ ዝዛረበካ ዘለኹ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዛረቦ” ኢሉ ነገሮ። 30 ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ “እንሆ፡ ኣነ ወታእ* እየ፣ ፈርኦን ደኣ ኸመይ ኢሉ ኺሰምዓኒ፧” በለ።+ 25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 2 “ንህዝቢ እስራኤል መባእ ከምጽኡለይ ንገሮም፣ ልቡ ኻብ ዝደረኾ ዘበለ ዅሉ፡ መባእ ኣምጽኡለይ።+ 3 እቲ ኻባታቶም እትቕበልዎ መባእ እዚ እዩ፦ ወርቂ፡+ ብሩር፡+ ነሓሲ፡+ 4 ሰማያዊ ፈትሊ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ፡* ውጹእ ቀይሕ ፈትሊ፡ ቅጭን በፍታ፡ ጸጕሪ ጤል፡ 5 ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል፡ ቈራብቲ ታሓሽ፡* ዕንጨይቲ ሰራው፡+ 6 ንቐንዴል ዚኸውን ዘይቲ፡+ ንዘይቲ ቕብኣትን+ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ ዚኸውን በለሳን፡ 7 ኣብ ኤፎድን+ ኣብ ልብሲ ኣፍ ልብን+ ዚኸውን ኣእማን ኦኒክስን ካልእ ኣእማንን። 8 ንዓይ ከኣ መቕደስ ይግበሩለይ፣ ኣነ ድማ ኣብ መንጎኦም ክነብር* እየ።+ 9 ልክዕ ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ዘለኹ ምስሊ* ጌርኩም ነቲ ማሕደርን ንዅሉ እቲ ኣቕሑኡን ግበርዎ።+ 10 “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ታቦት* ይግበሩ፣ ንውሓቱ ኽልተ እመትን* ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ቍመቱ ድማ እመትን ፈረቓን ይኹን።+ 11 ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለብጦ።+ ውሽጡን ግዳሙን ለብጦ፣ ብዙርያኡ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ግበረሉ።+ 12 ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ብፍሲ ሰሪሕካ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርባዕተ እግሩ፡ ማለት ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ በቲ ኻልኣይ ሸነኹ ኣላግቦ። 13 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ ዘንግታት ግበር እሞ፡ ብወርቂ ለብጦ።+ 14 እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወር ድማ፡ ነቲ ዘንግታት ናብቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእትዎ። 15 እቲ ዘንግታት ኣብቲ ቐላብቲ እቲ ታቦት ይቀመጥ እምበር፡ ካብኡ ኣይውጻእ።+ 16 ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ።+ 17 “ካብ ጽሩይ ወርቂ መኽደኒ ግበር፣ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።+ 18 ካብ ወርቂ ድማ ክልተ ኪሩቤል ግበር፣ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ብሞደሻ ቐጥቂጥካ ግበሮም።+ 19 ነቶም ኪሩቤል ኣብ ክልቲኡ ወሰን፡ ማለት እቲ ሓደ ኪሩብ በቲ ሓደ ወሰን፡ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ በቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። 20 እቶም ኪሩቤል ከኣ ኣኽናፎም ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ መኽደኒ ብኣኽናፎም የጽልልዎ፣+ ፊት ንፊት ድማ ይኹኑ። ገጾም ከኣ ናብቲ መኽደኒ ኣቢሉ ይኹን። 21 ነቲ መኽደኒ+ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ኣንብሮ፣ ኣብቲ ታቦት ከኣ ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣንብር። 22 ኣብኡ ኣነ ኽግለጸልካ፡ ካብ ልዕሊ እቲ መኽደኒ ድማ ምሳኻ ኽዛረብ እየ።+ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል፡ ኵሉ እቲ ንእስራኤላውያን ዝእዝዘካ ነገር ከፍልጠካ እየ። 23 “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው እውን ሰደቓ ግበር፣+ ንውሓቱ ኽልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።+ 24 ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ፣ ብዙርያኡ ድማ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ግበረሉ። 25 ክንዲ ስፍሓት ኢድ* ዝግፍሑ ጥርዚ ግበረሉ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ጥርዚ ኸኣ ካብ ወርቂ መኽፈፍ* ግበረሉ። 26 ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ጌርካ፡ ነቲ ቐላብቲ ኣብቲ እቲ ኣርባዕተ እግሪ ዚጋጠመሉ ኣርባዕተ መኣዝን ግበሮ። 27 እቲ ቐላብቲ፡ ንምጻር እቲ ሰደቓ ዚኸውን ዘንግታት ምእንቲ ኺኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ጥርዚ ይኹን። 28 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ግበር እሞ፡ ብወርቂ ለብጦ፣ እቲ ሰደቓ ድማ ብእኡ ይጸወር። 29 “ጻሕልታቱን ጽዋኣቱን መስዋእቲ መስተ ዜፍስሱሉ ዕትሮታቱን ጭሔሎታቱን እውን ግበር። ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበሮ።+ 30 ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወትሩ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ኣንብር።+ 31 “ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ቀዋሚ ቐንዴል+ ግበር። እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ይገበር። መቘሚኡን ጕንዱን ጨናፍሩን ጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ከኣ ብሓደ እተገብረ ይኹን።+ 32 ካብ ጐድንታት እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ሽዱሽተ ጨንፈር ይዘርጋሕ፣ ማለት ሰለስተ ጨንፈር ካብቲ ሓደ ጐድኑ፡ ሰለስተ ጨንፈር ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ጐድኑ ይዘርጋሕ። 33 ኣብ ሓደ ጕጅለ ጨናፍር፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ጕጅለ ጨናፍር ድማ፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ ይገበር። በዚ ኸምዚ እቲ ሽዱሽተ ጨንፈር ካብቲ ጕንዲ ቐዋሚ ቐንዴል ይዘርጋሕ። 34 ኣብቲ ጕንዲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ከበብቱን ዕምባባታቱን እናተዛነቐ ይገበር። 35 ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብቲ ጕንዲ ዚወጽእ ቀዳማይ ክልተ ጨንፈር ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዚቕጽል ክልተ ጨንፈር እውን ሓደ ኸቢብ ይኹን፣ ኰታስ ካብቲ ጕንዲ ንዚዝርጋሕ ሽዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበር። 36 እቲ ኸበብትን እቲ ጨናፍርን ብምሉኡ እቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ ብሓደ እተገብረ ይኹን።+ 37 ሸውዓተ ቐንዴል ግበረሉ፣ እቲ ቐነዲል ምስ በርሀ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ኼብርህ እዩ።+ 38 እቲ ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን እቲ ናቱ መትሓዚታት ሓውን ከኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን።+ 39 ምስ ኵሉ እዚ ኣቕሑ እዚ፡ ካብ ሓደ ታለንት* ጽሩይ ወርቂ ይገበር። 40 ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ* ጌርካ ኸኣ ተጠንቂቕካ ግበሮ።+ 33 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንስኻን እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብካዮ ህዝብን ካብዚ ደይብ። ናብታ፡ ‘ንዘርእኻ ኽህቦ እየ’ ኢለ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ተጐዓዝ።+ 2 መልኣኸይ ከኣ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ፡+ ንከነኣናውያንን ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን ድማ ክሰጕጎም እየ።+ 3 ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸኣ ደይብ።+ ግናኸ፡ ተሪር* ህዝቢ ኢኻ እሞ፡+ ኣብ መገዲ ኸየጽንተካስ፡+ ኣነ ኣብ ማእከልካ ኣይክድይብን እየ።” 4 እቶም ህዝቢ፡ እዚ ብርቱዕ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሓዘኑ፣ ዋላ ሓዲኦም እኳ ስልማቱ ኣይተሰለመን። 5 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንእስራኤላውያን፡ ‘ንስኻትኩም ተረርቲ* ህዝቢ ኢኹም።+ ኣነ ብቕጽበት ብማእከልካ ሓሊፈ መጽነትኩኻ ነይረ።+ ሕጂ ኸኣ እንታይ ከም ዝገብረካ ኽሳዕ ዝፈልጥ፡ ስልማትካ ቐንጥጥ’ በሎም” በሎ። 6 እስራኤላውያን ድማ ካብ ከረን ሆሬብ ንደሓር ስልማቶም ቀንጠጡ። 7 ሙሴ ድማ ንድንኳኑ ወሲዱ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር፡ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ተኸሎ፣ ድንኳን ምርኻብ ኢሉ ኸኣ ጸውዖ። ንየሆዋ ዚሓትት ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡+ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ዝነበረ ድንኳን ምርኻብ ይኸይድ ነበረ። 8 ሙሴ ናብቲ ድንኳን ምስ ወጸ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተንሲኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ደገ ድንኳኑ ደው ይብል ነበረ፣ ሙሴ ናብቲ ድንኳን ክሳዕ ዚኣቱ ድማ፡ ብድሕሪኡ ይጥምትዎ ነበሩ። 9 ሙሴ ናብቲ ድንኳን ምስ ኣተወ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኺዛረቦ ኸሎ፡ እቲ ዓንዲ ደበና+ ወሪዱ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ይቐውም ነበረ።+ 10 ኵሉ እቲ ህዝቢ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ምስ ረኣዮ፡ ነፍሲ ወከፍ ተንሲኡ ኣብ ኣኣፍ ደገ ድንኳኑ ዀይኑ ይሰግድ ነበረ። 11 ከምቲ ሰብ ምስ ብጻዩ ዚዛረብ፡ የሆዋ ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ።+ ንሱ ናብ ሰፈር ምስ ተመልሰ፡ እቲ ኣገልጋሊኡን ጊልያኡን+ ዝነበረ እያሱ+ ወዲ ነዌ ኻብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ። 12 ሙሴ ድማ ንየሆዋ፡ “እንሆ፡ ንስኻ፡ ‘ነዚ ህዝቢ እዚ ኣደይቦ’ ትብለኒ ኣለኻ፣ ምሳይ መን ከም እትሰድድ ግና ኣየፍለጥካንን። ‘ብስምካ እፈልጠካ እየ፣* ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ድማ ሞገስ ረኺብካ ኣለኻ’ እውን ትብለኒ ኣለኻ። 13 ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኽፈልጠካን ብሕጂ እውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብን፡ በጃኻ መገድታትካ ኣፍልጠኒ።+ እዚ ህዝቢ እዚ ህዝብኻ ኸም ዝዀነ እውን ሕሰብ” በሎ።+ 14 ንሱ ድማ፡ “ኣነ ባዕለይ* ምሳኻ ክኸይድን+ ከዕርፈካን+ እየ” በሎ። 15 ሙሴ ኸኣ፡ “ንስኻ ባዕልኻ ምሳና ዘይትኸይድ እንተ ዄንካ፡* ካብዚ ኣይተደይበና። 16 ኣነን ህዝብኻን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብና ብኸመይ ኪፍለጥ እዩ፧ ንስኻ ምሳና ብምኻድካ+ ደይኰነን ኣነን ህዝብኻን ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት እንፍለ፧” በሎ።+ 17 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ሞገስ ረኺብካ ኣለኻ፡ ብስምካ ድማ እፈልጠካ እየ እሞ፡ እዚ ዝበልካዮ ነገር እውን ክገብር እየ” በሎ። 18 ንሱ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ” በለ። 19 ንሱ ግና፡ “ኵሉ ሕያውነተይ* ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸሕልፍ እየ፣ ስም የሆዋ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ።+ ነቲ ሞገስ ዘርእዮ፡ ሞገስ ከርእዮ እየ፡ ነቲ ዝምሕሮ ድማ፡ ክምሕሮ እየ”+ በለ። 20 ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ። 21 የሆዋ ድማ፡ “እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ ኣሎ። ኣብቲ ኸውሒ ደው በል። 22 ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ፡ ኣብ ጭዳድ ከውሒ ኽገብረካ እየ፣ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብኢደይ ክኽውለካ እየ። 23 ኢደይ ድማ ከልዕል እየ፣ ብድሕረይ ከኣ ክትርእየኒ ኢኻ። ገጸይ ግና ኣይርአን እዩ” በለ።+ 10 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን እቶ፣ ከመይሲ፡ እዚ ትእምርትታተይ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽገብር፡+ ልቡን ልቢ ገላዉኡን ኪተርር ሓዲገዮ እየ፣+ 2 ኣብ ግብጺ ዝገበርክዎ ብርቱዕ ነገርን ኣብ መንጎኦም ዝገበርክዎ ትእምርትታትን ድማ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ምእንቲ ኸተዘንቱ ኢለ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።” 3 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትትሕት እትኣቢ፧+ ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም። 4 ንህዝበይ ምስዳዱ እንተ ኣቢኻ ግና፡ እንሆ፡ ጽባሕ ናብ ውሽጢ ዶባትካ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ። 5 ምድሪ ምርኣይ ክሳዕ ዘይከኣል ከኣ ንገጽ ምድሪ ኪኸድኑ እዮም። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ድማ፡ ኪበልዕዎ እዮም፣ ነቲ ኣብ መሮር ዚዓቢ ዘሎ ዅሉ ኣእዋም እውን ኪበልዕዎ እዮም።+ 6 ንኣባይትኻን ንኣባይቲ ዅሎም ገላዉኻን ንኣባይቲ ዅላ ግብጽን ከኣ ኪመልእወን እዮም፣ ከምኡ ዝበለ ኻብቲ ኣቦታትካን ኣቦሓጎታትካን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነበሩሉ ግዜ ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ ዘይረኣይዎ ኪኸውን እዩ።’”+ ተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጸ። 7 ገላዉ ፈርኦን ድማ፡ “ክሳዕ መዓስ እዩ እዚ ሰብኣይ እዚ ኼፈራርሃና፧* ንየሆዋ ኣምላኾም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ስደዶም። ግብጺ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” በልዎ። 8 ሽዑ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም፣ ንሱ ድማ፡ “ኪዱ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። ግናኸ፡ መነመን እዮም ዚኸዱ፧” በሎም። 9 ሙሴ ኸኣ፡ “ንየሆዋ በዓል ስለ እነብዕል፡+ ምስ ንኣሽቱናን ምስ ዓበይትናን ምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ከብትናን+ ክንከይድ ኢና” በሎ። 10 ንሱ ድማ፡ “ንዓኻትኩምን ንደቅኹምን እንተ ሰዲደኩምሲ፡ የሆዋ ምሳኻትኩም ኣሎ!+ ክፉእ ከም ዝሓሰብኩም ንጹር እዩ። 11 ከምኡ እሞ ኣይከውንን እዩ። እቲ ዝለመንኩምዎ እዚ እዩ እሞ፡ ሰብኡት ጥራይ ኬድኩም፡ ንየሆዋ ኣገልግልዎ” በሎም። ሽዑ፡ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሰጐጕዎም። 12 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኣንበጣ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺመጹን ኵሉ እቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ኣትክልቲ እታ ምድሪ ምእንቲ ኺበልዑን፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕ” በሎ። 13 ብኡብኡ፡ ሙሴ ንበትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሓ፣ የሆዋ ኸኣ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን ብምልእታ እታ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ናብታ ምድሪ ኣንፈሰ። ምስ ነግሀ ድማ፡ እቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽአ። 14 እቶም ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ መጹ፣ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ድማ ዓለቡ።+ ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ፣+ ክንዳኡ ዝምብዛሖም ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበሩን፡ ብድሕሪኡ እውን ከማታቶም ዝበሉ ኸቶ ኣይኰኑን። 15 ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደንዋ፣ ምድሪ እውን ጸልመተት። ንዅሉ ኣትክልቲ ምድርን ንዅሉ እቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ፍረ ኦምን ድማ በልዕዎ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ኦም ወይ ኣብ ኣትክልቲ መሮር ገለ ለምለም እኳ ኣይተረፈን። 16 ሽዑ፡ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ጸዊዑ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽኩምን ንዓኻትኩምን በዲለ እየ። 17 ሕጂ ኸኣ በጃኻ እዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ በደለይ ሕደገለይ፣ ነዚ መቕዘፍቲ እዚ ኼርሕቐለይ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ለምንዎ” በሎም። 18 ንሱ* ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጺኡ፡ ንየሆዋ ለመኖ።+ 19 ሽዑ፡ የሆዋ ነቲ ንፋስ ኣንፈቱ ኸም ዚቕይር ገበሮ እሞ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ምዕራብ ኰነ፣ ነቶም ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ደርበዮም። ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ፡ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን። 20 የሆዋ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ፡+ ንእስራኤላውያን ድማ ኣይሰደዶምን። 21 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ጸልማት፡ እኳ ደኣስ ኣዝዩ ግብ ዝበለ ጸልማት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኢድካ ናብ ሰማያት ዘርግሕ” በሎ። 22 ሙሴ ኸኣ ኢዱ ናብ ሰማያት ዘርግሐ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ንሰለስተ መዓልቲ ድቕድቕ ጸልማት ኰነ።+ 23 ንሰለስተ መዓልቲ፡ ሓደ ነቲ ኻልኣዩ ኣይረኣየን፡ ሓዲኦም እኳ ኻብ ዝነበሮ ኣይተንስአን፣ ኵሎም እስራኤላውያን ግና ኣብ እተቐመጥዎ ብርሃን ነበሮም።+ 24 ፈርኦን ድማ ንሙሴ ጸዊዑ፡ “ኪዱ ንየሆዋ ኣገልግልዎ።+ ኣባጊዕኩምን ከብትኹምን ጥራይ ይትረፋ። ቈልዑኹም እውን ምሳኻትኩም ይኺዱ” በሎ። 25 ሙሴ ግና፡ “ንስኻ ድማ መስዋእቲ ሕሩድን ዚሓርር መስዋእትን ክትህበና* ኢኻ፣ ንሕና እውን ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውኦም ኢና።+ 26 ማልና እውን ምሳና ኪኸዳ እየን። እቲ ንየሆዋ ኣምላኽና ንምምላኽ እንጥቀመሉ ኻባታተን ክንወስድ ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንስሳ* እኳ ኣይክትተርፍን እያ፣ ኣብኣ ኽሳዕ እንበጽሕ ድማ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ እንታይ ከም እነቕርብ ኣይንፈልጥን ኢና” በሎ። 27 ሽዑ፡ የሆዋ ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ እሞ፡ ኪሰድዶም ኣይፈተወን።+ 28 ፈርኦን ከኣ፡ “ካብ ቅድመይ ርሓቕ! በታ ገጸይ ዝረኣኻላ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ተጠንቀቕ” በሎ። 29 ሙሴ ድማ፡ “ከምቲ ዝበልካዮ፡ መሊሰ ገጽካ ኣይክርእን እየ” በሎ። 14 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ተመሊሶም ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት፡ ኣብ መንጎ ሚግዶልን እቲ ባሕርን፡ ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ኪሰፍሩ ንገሮም።+ ናብኡ ገጽኩም ጌርኩም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ ስፈሩ። 3 ፈርኦን ድማ ብዛዕባ እስራኤላውያን፡ ‘ኣብታ ምድሪ ዀለል ይብሉ ኣለዉ። እቲ በረኻ ውሒጥዎም ኣሎ’ ኺብል እዩ። 4 ኣነ ድማ ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ክሓድጎ እየ፣+ ንሱ ኸኣ ደድሕሪኦም ኪስዕብ እዩ። ኣነ ድማ ብፈርኦንን ብዅሉ ሰራዊቱን ገዛእ ርእሰይ ከኽብር እየ፣+ ግብጻውያን ከኣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።”+ ንሳቶም ድማ ከምኡ ገበሩ። 5 ንንጉስ ግብጺ ኸኣ እቲ ህዝቢ ኸም ዝሃደመ ተነግሮ። ብኡብኡ፡ ፈርኦንን ገላዉኡን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ዝነበሮም ሓሳብ ለወጡ፣+ “እስራኤል ባሮት ኰይኖም ከይግዝኡና ዝሓደግናዮምሲ ስለምንታይ ኢና፧” ድማ በሉ። 6 ስለዚ፡ ሰረገላታቱ ኣዳለወ፡ ህዝቡ እውን ምስኡ ወሰደ።+ 7 600 ሕሩያት ሰረገላታትን ኵለን ካልኦት ሰረገላታት ግብጽን፡ ኣብ ኵለን ከኣ ተዋጋእቲ ወሰደ። 8 በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንልቢ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኺተርር ሓደጎ፣ ንሱ ድማ እስራኤላውያን ብምትእምማን* ኪወጹ ኸለዉ፡ ደድሕሪ እስራኤላውያን ሰዓበ።+ 9 ግብጻውያን ከኣ ደድሕሪኦም ሰዓቡ፣+ ንሳቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ፡ ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት፡ ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ሰፊሮም ከለዉ፡ ኵሎም ኣፍራስ ሰረገላታት ፈርኦንን ፈረሰኛታቱን ሰራዊቱን ኣርከብዎም። 10 ፈርኦን ምስ ቀረበ፡ እስራኤላውያን ኣዒንቶም ኣልዒሎም ንግብጻውያን ደድሕሪኦም ኪስዕቡ ረኣይዎም። እስራኤላውያን ድማ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ናብ የሆዋ ኸኣ ተማህለሉ።+ 11 ንሙሴ ድማ፡ “ናብዚ በረኻ ኽንመውት ዘውጻእካናስ፡ ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረን እዩ፧+ ካብ ግብጺ መሪሕካ ብምውጻእካስ፡ እንታይ ኢኻ ዝገበርካና፧ 12 ኣብ ግብጺ ኸለና፡ ‘ንግብጻውያን ክንግዝኦም ሕደገና’ ኢልናካዶ ኣይነበርናን፧ ኣብዚ በረኻ ኻብ እንመውትሲ፡ ንግብጻውያን ክንግዝኦም ይሕሸና” በልዎ።+ 13 ሽዑ፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣይትፍርሁ።+ ጸኒዕኩም ቁሙ፡ ነቲ የሆዋ ሎሚ ዚገብረልኩም ድሕነት ከኣ ርኣዩ።+ እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያንሲ፡ ደጊም መሊስኩም ንሓዋሩ ኣይክትርእይዎምን ኢኹም።+ 14 የሆዋ ባዕሉ ኺዋግኣልኩም እዩ፡+ ንስኻትኩም ድማ ስቕ ክትብሉ ኢኹም” በሎም። 15 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ስለምንታይ ናባይ እትምህለል፧ ንእስራኤላውያን ኪነቕሉ ንገሮም። 16 እስራኤላውያን ብማእከል እቲ ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ምእንቲ ኺሓልፉ ኸኣ፡ ንስኻ በትርኻ ኣልዒልካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ ምቐሎ፣ 17 ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺኣትዉ ድማ፡ ኣነ ንልቢ ግብጻውያን ኪተርር ክሓድጎ እየ፣ ብፈርኦንን ብዅሎም ሰራዊቱን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ከኣ ገዛእ ርእሰይ ከኽብር እየ።+ 18 ብፈርኦንን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ገዛእ ርእሰይ ምስ ኣኽበርኩ ድማ፡ ግብጻውያን ኣነ የሆዋ ምዃነይ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።”+ 19 ሽዑ፡ እቲ ቐቅድሚ እቲ ሰፈር ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ+ ተላዒሉ ናብ ድሕሪኦም ከደ፣ እቲ ቕድሚኦም ዝነበረ ዓንዲ ደበና ኸኣ ናብ ድሕሪኦም ግዒዙ ኣብኡ ደው በለ።+ 20 ኣብ መንጎ ሰፈር ግብጻውያንን ሰፈር እስራኤልን እውን ኰነ።+ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ደበናን ጸልማትን ነበረ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ነታ ለይቲ ኣብርሃ።+ ምልእቲ ለይቲ ኸኣ፡ እቲ ሓደ ሰፈር ናብቲ ሓደ ሰፈር ኣይቀረበን። 21 ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሐ፣+ የሆዋ ኸኣ ምልእቲ ለይቲ ነቲ ባሕሪ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ንድሕሪት መሊሱ፡ ነቲ ባሕሪ ናብ ንቑጽ ምድሪ ለወጦ፣+ እቲ ማያት ከኣ ተመቕለ።+ 22 እስራኤላውያን ድማ ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ሓለፉ፣+ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም መንደቕ ኰነ።+ 23 ግብጻውያን ድማ ሰዓብዎም፣ ኵሎም ኣፍራስ ፈርኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ናብ ማእከል እቲ ባሕሪ ኣተዉ።+ 24 ሓለዋ ንግሆ* ምስ ኰነ፡ የሆዋ ኻብቲ ዓንዲ ሓውን ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተ፣+ ንሰራዊት ግብጻውያን ከኣ ኣሸበሮም። 25 መንኰራዅር ሰረገላታቶም የምልቘሎም ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ፣ ግብጻውያን ከኣ፡ “የሆዋ ኣብ ክንዳኦም ኰይኑ ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም” በሉ።+ 26 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ኪምለስሲ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሕ” በሎ። 27 ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ እቲ ባሕሪ ዘርግሐ፣ ኪነግህ ምስ በለ ኸኣ እቲ ባሕሪ ናብ ንቡር ተመልሰ። ግብጻውያን ካብኡ ኺሃድሙ ኸለዉ ድማ፡ የሆዋ ንግብጻውያን ናብ ማእከል ባሕሪ ደርበዮም።+ 28 እቲ እተመልሰ ማያት ከኣ ነቶም ደድሕሪኦም ናብ ባሕሪ ዝኣተዉ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኵሉ ሰራዊት ፈርኦንን ደፈኖም።+ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ 29 እስራኤላውያን ግና ኣብ ማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ኸዱ፣+ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም መንደቕ ኰነ።+ 30 በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ኣድሓኖ።+ እስራኤል ድማ ምዉታት ግብጻውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረኣየ። 31 እስራኤል ነቲ የሆዋ ኣብ ግብጻውያን ዝገበሮ ዓብዪ ሓይሊ* እውን ረኣየ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንየሆዋ ፈርህዎ፡ ብየሆዋን ብጊልያኡ ሙሴን ድማ ኣመኑ።+ 9 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ፈርኦን ኣቲኻ፡ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም።+ 2 ምስዳዶም እንተ ኣቢኻን እንተ ሒዝካዮምን ግና፡ 3 እንሆ፡ ኢድ የሆዋ+ ኣንጻር እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ማልካ ኽትመጽእ እያ። ኣብ ኣፍራስን ኣብ ኣእዱግን ኣብ ኣግማልን ኣብ ከብትን ኣብ ጤለ በጊዕን ኣዝዩ ብርቱዕ ለበዳ+ ኪኸውን እዩ። 4 የሆዋ ኸኣ ኣብ መንጎ ማል እስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጽን ብርግጽ ፍልልይ ኪገብር እዩ፣ ካብ ኵለን ናይ እስራኤላውያን ድማ ሓንቲ እኳ ኣይክትመውትን እያ።”’”+ 5 የሆዋ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ ጽባሕ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፡ እዚ ነገር እዚ ኺገብር እዩ” ኢሉ ግዜ መደበ። 6 ንጽብሒቱ፡ የሆዋ፡ እዚ ነገር እዚ ገበረ፣ ኵለን ዓይነት ማል ግብጺ ድማ ኪሞታ ጀመራ፣+ ካብ ማል እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። 7 ፈርኦን ምስ መርመረ፡ እንሆ፡ ካብ ማል እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ነቲ ህዝቢ እውን ኣይሰደዶን።+ 8 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦ “ብኣእዳውኩም ሓምዅሽቲ እቶን ሓፊንኩም ውሰዱ፣ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ የብሎ። 9 ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጐጓ ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ፎቕፎቕ ዚብል ምጕልንጭዋ ኪኸውን እዩ።” 10 ሽዑ፡ ሓምዅሽቲ እቶን ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በሉ፣ ሙሴ ኸኣ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ ኣበሎ፣ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ፎቕፎቕ ዚብል ምጕልንጭዋ ዀነ። 11 እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ብምኽንያት እቲ ኣብቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ኣብ ኵሎም ግብጻውያንን ዝዀነ ምጕልንጭዋ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኪብሉ ኣይከኣሉን።+ 12 የሆዋ ግና ንልቢ ፈርኦን ኪተርር ሓደጎ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝበሎ፡ ኣይሰምዖምን።+ 13 ሽዑ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ኣንጊህካ ተንሲእካ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በል እሞ፡ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ምእንቲ ኼገልግሉኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም። 14 ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡+ ሕጂ ዅሉ መዓተይ ናብ ልብኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን እሰድድ ኣለኹ። 15 ክሳዕ ሕጂ ንዓኻን ንህዝብኻን ብብርቱዕ ለበዳ ምወቓዕኩኻ ነይረ፣ ንስኻ እውን ካብ ምድሪ ምተደምሰስካ ኔርካ። 16 ግናኸ፡ ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ።+ 17 ብዘይምስዳድካዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ፧ 18 እንሆ፡ ካብ እትስረት መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዝበለ ኣብ ግብጺ ዘይኰነ ኣዝዩ ብርቱዕ በረድ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኸዝንም እየ። 19 ስለዚ፡ ልኢኽካ ማልካን ኣብ መሮር ዘሎካ ዅሉን ናብ መዕቀሊ ኣምጽእ። ኣብ መሮር እተረኽበን ናብ ቤት ዘይኣተወን ሰብ ኰነ እንስሳ ዘበለ ዅሉ፡ በረድ ኪወርድ ከሎ፡ ኪመውት እዩ።”’” 20 እቲ ኻብ ገላዉ ፈርኦን ንቓል የሆዋ ዝፈርሀ ዘበለ፡ ገላዉኡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ፣ 21 እቲ ንቓል የሆዋ ናብ ልቡ ዘየእተወ ዘበለ ግና፡ ገላዉኡን ማሉን ኣብ መሮር ሓደገ። 22 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኢድካ ናብ ሰማያት ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ምድሪ ግብጺ ናብ ዘሎ ዅሉ ኣትክልትን+ በረድ ኪወርድ እዩ” በሎ።+ 23 ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማያት ዘርግሐ፣ የሆዋ ድማ ነጐዳን በረድን ሰደደ፣ ሓዊ* ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደ፣ የሆዋ ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ። 24 በረድ እውን ኰነ፣ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋናጨፍ ነበረ። ኣብ ግብጺ ህዝቢ ኻብ ዚቕመጥ፡ ኣብታ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ ዀይኑ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ።+ 25 እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንእተረኽበ ኻብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዐ፣ ንዅሉ ኣትክልቲ ድማ ወቕዐ፡ ንዅሉ ኣእዋም መሮር እውን ሰባበረ።+ 26 ኣብታ እስራኤላውያን ዝነበርዋ ምድሪ ጎሼን ጥራይ በረድ ኣይነበረን።+ 27 ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ሕጂ ሓጣእኩ። የሆዋ ጻድቕ እዩ፣ ኣነን ህዝበይን ድማ በደልቲ ኢና። 28 ነጐዳን በረድን ኣምላኽ ደው ኪብልሲ፡ ንየሆዋ ለምንዎ። ሽዑ፡ ክሰድደኩም እየ፣ ደጊም ድማ ኣብዚ ኣይትጸንሑን” በሎም። 29 ሙሴ ኸኣ፡ “ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእዳወይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ የሆዋ ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ነጐዳ ደው ኪብል፡ ደጊም እውን በረድ ኣይኪቕጽልን እዩ።+ 30 ንስኻን ገላዉኻን ግና፡ ሽዑ እውን ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዘይትፈርህዎ እፈልጥ እየ” በሎ። 31 ሽዑ፡ ስገም ሰዊቱ፡ እንጣጢዕ ከኣ ኪዕምብብ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ እንጣጢዕን ስገምን ተወቕዐ። 32 ስርናይን ዓለስን ግና፡ ግዜኡ ድሑር ስለ ዝዀነ፡ ኣይተወቕዐን። 33 ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ካብታ ኸተማ ወጸ፡ ኢዱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘርግሐ፣ ነጐዳን በረድን ድማ ደው በለ፡ ዝናም እውን ናብ ምድሪ ምዝናም ኣቋረጸ።+ 34 ፈርኦን ከኣ ዝናምን በረድን ነጐዳን ደው ከም ዝበለ ምስ ረኣየ፡ መሊሱ ሓጥአ፡ ልቡ እውን ኣትረረ፣+ ንሱን ገላዉኡን ከምኡ ገበሩ። 35 ልቢ ፈርኦን ድማ ተረረ፣ ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ዝበሎ ኸኣ፡ ንእስራኤላውያን ኣይሰደዶምን።+ 27 “ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ድማ መሰውኢ ግበር፣+ ሓሙሽተ እመት* ዝንውሓቱን ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑን ይኹን። እቲ መሰውኢ ትርብዒት፡ ቍመቱ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን።+ 2 ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣቕርንቲ ግበረሉ፣+ እቲ ኣቕርንቲ ምስቲ ኣርባዕተ መኣዝን ብሓደ እተገብረ ይኹን፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ብነሓሲ ለብጦ።+ 3 ሓምዅሽቱ* ንምውጋድ ዚኸውን ድስትታት፡ ምስኡ ድማ መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ሻኳታትን መትሓዚታት ሓውን ግበር፣ ኵሉ ኣቕሑኡ ኻብ ነሓሲ ግበሮ።+ 4 ካብ ነሓሲ ኸኣ መርበብ፡ ነቲ መሰውኢ ዚኸውን ርበ ግበረሉ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ መርበብ ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ኻብ ነሓሲ ኣርባዕተ ቐለቤት ግበር። 5 ኣብ ትሕቲ ጥርዚ እቲ መሰውኢ ኣንብሮ፣ እቲ መርበብ ከኣ ብኸፊል ናብ ውሽጢ እቲ መሰውኢ ናብ ታሕቲ ይዘርጋሕ። 6 ነቲ መሰውኢ ድማ ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ዘንግታት ግበረሉ፣ ንዕኡ ኸኣ ብነሓሲ ለብጦ። 7 እቲ መሰውኢ ኺጽወር ከሎ፡ እቲ ዘንግታት ብኽልቲኡ ሸነኹ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዘንግታት ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ።+ 8 ነቲ መሰውኢ፡ ጓንጓ ሳጹን ጌርካ ኻብ ኣልዋሕ ግበሮ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ከረን ዘርኣየካ ጌርካ ግበሮ።+ 9 “ነቲ ማሕደር ከኣ ኣጸድ+ ግበረሉ። ብሸነኽ ደቡብ፡ ናብ ደቡብ ገጹ፡ እቲ ኣጸድ ብሓደ ሸነኹ፡ ተፋሒሱ ብእተገብረ ቕጭን በፍታ፡ 100 እመት ዝንውሓቱ መኸወሊታት* ይሃልዎ።+ 10 20 ዓንዲ፡ ካብ ነሓሲ ድማ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚ ይሃልዎ። ዓንቃሪቦታት እቲ ኣዕኑድን መላግቦታቱን* ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። 11 ብሸነኽ ሰሜን ዘሎ መኸወሊታት* 100 እመት ዝንውሓቱ ይኹን፣ 20 ዓንዲ፡ ካብ ነሓሲ ኸኣ 20 ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ካብ ብሩር ድማ ነቲ ኣዕኑድ ዚኸውን ዓንቃሪቦታትን መላግቦታትን* ይሃልዎ። 12 ብሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ግፍሒ እቲ ኣጸድ ድማ 50 እመት ዝንውሓቱ መኸወሊታት፡* ምስ ዓሰርተ ዓንድን ዓሰርተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን። 13 ግፍሒ እቲ በቲ ጸሓይ እትበርቀሉ ሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኣጸድ ከኣ 50 እመት ይኹን። 14 በቲ ሓደ ሸነኽ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡* ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን።+ 15 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ 15 እመት መኸወሊታት፡* ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይኹን። 16 “ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ከኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ብሓደ ብምእላም እተገብረ 20 እመት ዝንውሓቱ መጋረዲ፡*+ ምስ ኣርባዕተ ዓንድን ኣርባዕተ ዚስኵዓሉ መቘምን ይሃልዎ።+ 17 ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ዘሎ ኣዕኑድ፡ መላግቦታት ብሩርን ዓንቃሪቦታት ብሩርን ይሃልዎ፣ ዚስኵዓሉ መቘሚኡ ግና ካብ ነሓሲ ይኹን።+ 18 እቲ ኣጸድ፡ 100 እመት ዝንውሓቱ፡+ 50 እመት ዝግፍሑ፡ 5 እመት ዝቝመቱ፡ ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታ እተሰርሐ ይኹን፣ ካብ ነሓሲ ኸኣ ዚስኵዓሉ መቘሚ ይሃልዎ። 19 ኵሉ እቲ ኣብ ማሕደር ዚዕየየሉ ኣቕሑን መተዓየይን ሽኻላቱን ኵሉ እቲ ሽኻላት ኣጸድን ካብ ነሓሲ ይኹን።+ 20 “እቲ ቐነዲል ወትሩ ምእንቲ ኺበርህ፡ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ እተጐድአ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካ፡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም።+ 21 ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ጥቓ እቲ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡+ ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መብራህትታት ምእንቲ ኺበርህ፡ ኣሮንን ደቁን የዳልዉ።+ እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤላውያን፡ ንውሉድ ወለዶ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ 13 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 2 “ካብ እስራኤላውያን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ* ንዓይ ቀድሶ።* ተባዕታይ በዅሪ ሰብን እንስሳን ናተይ እዩ።”+ 3 ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብኣ ስለ ዘውጽኣኩም፡ ነዛ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ ዘክርዋ።+ ብኹዕ ዘበለ ኸኣ ኣይበላዕ። 4 ኣብ ወርሒ ኣቢብ፡* በዛ መዓልቲ እዚኣ ትወጹ ኣለኹም።+ 5 የሆዋ ናብታ ንዓኻትኩም ኪህበኩም ንኣቦታትኩም ዝመሓለሎም+ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን፡+ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ+ ምስ ኣእተወኩም፡ ሽዑ ነዚ በዓል እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልውዎ። 6 ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ኽትበልዕ ኢኻ፣+ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ንየሆዋ በዓል ኪኸውን እዩ። 7 በተን ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ይበላዕ፣+ ብኹዕ ዘበለ ድማ ኣባኻ ኣይረኸብ፡+ መባዅዕቲ እውን ኣብ ውሽጢ ዅሉ ዶባትካ ኣይረኸብ። 8 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ንወድኻ፡ ‘ስለቲ የሆዋ ኻብ ግብጺ ኽወጽእ ከለኹ ዝገበረለይ እዩ’ ኢልካ ንገሮ።+ 9 የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ሕጊ የሆዋ ኣብ ኣፍካ ምእንቲ ኪኸውን፡ እዚ ኣብ ኢድካ ኸም ምልክት፡ ኣብ ግምባርካ* ድማ ከም መዘከርታ ይኹንካ።+ 10 ነዚ ሕጊ እዚ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ዓመት ንዓመት ሓልዎ።+ 11 “የሆዋ ናብታ ንዓኻን ንኣቦታትካን ዝመሓለልኩም+ ምድሪ ከነኣናውያን ምስ ኣእተወካ፡ 12 ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* ከምኡ እውን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ማልካ ንየሆዋ ወፊ። ተባዕታይ ዘበለ ናይ የሆዋ እዩ።+ 13 ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ፣ እንተ ዘይተበጂኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ንዅሉ ተባዕታይ በዅሪ ተበጀዎ።+ 14 “ደሓር ወድኻ፡ ‘እዚ እንታይ ማለት እዩ፧’ ኢሉ ምስ ዚሓትተካ፡ ‘የሆዋ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና።+ 15 ፈርኦን ተሪሩ ምስዳድና ምስ ኣበየ፡+ የሆዋ ኣብ ምድሪ ግብጺ ንዝነበረ ዅሉ በዅሪ፡ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ።+ ስለዚ ኸኣ እየ ንየሆዋ ዅሉ ተባዕታይ በዅሪ* ዝስውእ፡ ካብ ደቀይ ድማ ኵሉ በዅሪ ዝብጀዎ ዘለኹ’ በሎ። 16 የሆዋ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡና እዩ እሞ፡ እዚ ኣብ ኢድካ ኸም ምልክት፡ ኣብ ግምባርካ* ድማ ከም ክታብ ይኹንካ።”+ 17 ፈርኦን ነቶም ህዝቢ ምስ ሰደዶም፡ ኣምላኽ፡ “እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ኣጋጠሞም፡ ሓሳቦም ለዊጦም ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፡ መገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ቀረባ ኽነሳ፡ ኣምላኽ ብእኣ ኣይመርሖምን። 18 ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ኣዞሮ።+ እስራኤላውያን ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ። 19 ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል፡ “ኣምላኽ ብርግጽ ቈላሕታኡ ኺገብረልኩም እዩ እሞ፡ ንኣዕጽምተይ ካብዚ ምሳኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሉ ኣምሒልዎም ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ንኣዕጽምቲ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።+ 20 ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን እቲ በረኻ ሰፈሩ። 21 የሆዋ ኸኣ መዓልትን ለይትን ምእንቲ ኺጕዓዙ፡+ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም ብዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ኬብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ።+ 22 እቲ ዓንዲ ደበና ብመዓልቲ፡ እቲ ዓንዲ ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኻብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣይተፈልየን።+ 5 ድሕርዚ፡ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣትዮም፡ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብ በረኻ በዓል ምእንቲ ኺገብሩለይ፡ ንህዝበይ ስደዶም’” በልዎ። 2 ፈርኦን ግና፡ “እቲ ቓሉ ተኣዚዘ ንእስራኤል ዝሰድዶስ፡+ የሆዋ መን እዩ፧+ ንየሆዋ ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል እውን ኣይሰድድ” በለ።+ 3 ንሳቶም ግና፡ “ኣምላኽ እብራውያን ምሳና ርክብ ገይሩ እዩ። በጃኻ፡ ናብ በረኻ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኼድና፡ ንየሆዋ ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሕማም ወይ ብሰይፊ ኺወቕዓና እዩ” በልዎ። 4 ንጉስ ግብጺ ኸኣ፡ “ኣቱም ሙሴን ኣሮንን፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኻብ ዕዮኡ ተብኵርዎ ኣለኹም፧ ናብ ሽቕለትኩም* ተመለሱ” ኢሉ መለሰሎም።+ 5 ፈርኦን ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እንሆ፡ እዚ ህዝቢ ኣብዛ ምድሪ ኽንደይ በዚሑ ኣሎ፣ ንስኻትኩም ከኣ ካብ ሽቕለቶም ከተዕርፍዎም ትብሉ ኣለኹም” በሎም። 6 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ፈርኦን ነቶም ኣዕየይትን ኣሕሉቕን ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 7 “ደጊም ንመስርሕ ሕጡብ ሓሰር ኣይትሃብዎም።+ ከይዶም ባዕላቶም ሓሰር ይኣክቡ። 8 ከምቲ ቐደም ዚዓይይዎ ዝነበሩ እተመደበ ብዝሒ ሕጡብ ግና ኣዕይይዎም። ሃካያት እዮም እሞ፡ ኣይትነክዩሎም። ስለዚ ኸኣ እዮም፡ ‘ክንከይድ፡ ንኣምላኽና ኽንስውእ’ ኢሎም ዚጠርዑ ዘለዉ። 9 ናብ ዘረባ ሓሶት ምእንቲ ኸየቕልቡ፡ ዕዮ ኣኽብዱሎም፡ ብዕዮ ድማ ትሑዛት ይኹኑ።” 10 ሽዑ፡ እቶም ኣዕየይትን+ ኣሕሉቕን ህዝቢ ወጺኦም ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በልዎም፦ “ፈርኦን ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ደጊም ሓሰር ኣይህበኩምን እየ። 11 ናብ እትረኽቡሉ ዘበለ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣክቡ፣ ዕዮኹም ግና ገለ እኳ ኣይጕደል።’” 12 እቲ ህዝቢ ኸኣ ከም ሓሰር ዚኸውን ብርዒ ኺእክብ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ። 13 እቶም ኣዕየይቶም ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንመዓልቲ እተመደበልኩም ዕዮ፡ ከምቲ ሓሰር ኪውሃበኩም ከሎ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኣማልኡ” ኢሎም ሃወኽዎም። 14 እቶም ኣዕየይቲ ፈርኦን ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝሸሙዎም ኣሕሉቕ እውን፡ “እቲ እተመደበልኩም ብዝሒ ሕጡብ ስለምንታይ ትማልን ሎምን ከም ቀደምኩም ዘየማላእኩም፧” ተባሂሎም ተገርፉ።+ 15 ሽዑ፡ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤላውያን ናብ ፈርኦን ከይዶም ከምዚ ኢሎም ጠርዑ፦ “ስለምንታይ ንገላዉኻ ኸምዚ ትገብረና ኣለኻ፧ 16 ገላዉኻ ሓሰር ኣይተዋህቡን፣ ግናኸ፡ ‘ሕጡብ ግበሩ’ ይብሉና ኣለዉ። ገላዉኻ ተገሪፎም እዮም፣ ግናኸ፡ ህዝብኻ እዮም ዚብድሉ ዘለዉ።” 17 ንሱ ግና፡ “ሃካያት ኢኹም፡ ሃካያት ኢኹም!+ ስለዚ ኸኣ ኢኹም፡ ‘ክንከይድ፡ ንየሆዋ ኽንስውእ’ እትብሉ ዘለኹም።+ 18 ሕጂ ድማ ኪዱ ናብ ዕዮኹም ተመለሱ! ሓሰር ኣይውሃበኩምን እዩ፣ እቲ እተመደበልኩም ብዝሒ ሕጡብ ግና ክትህቡ ኣሎኩም” በሎም። 19 ሽዑ፡ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤላውያን ብሰሪ እቲ፡ “ካብቲ ነንመዓልቲ እተመደበልኩም ብዝሒ ሕጡብ ኣይትነክዩ” ዚብል ትእዛዝ፡ ኣብ ከቢድ ሽግር ከም ዝኣተዉ ረኣዩ። 20 ድሕርዚ፡ ካብ ፈርኦን ኪወጹ ኸለዉ፡ ምስቶም ኪረኽብዎም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሙሴን ኣሮንን ተጓነፉ። 21 ንሳቶም ድማ፡ “ፈርኦንን ገላዉኡን ከም ዚጽየፉና ብምግባርኩም፡* ኪቐትሉና ኸኣ ኣብ ኢዶም ሰይፊ ብምትሓዝኩም፡ የሆዋ ይርኣየልኩም!” በልዎም።+ 22 ሙሴ ድማ ናብ የሆዋ ተመሊሱ፡ “የሆዋ፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣጽቢብካሉ፧ ስለምንታይከ ልኢኽካኒ፧ 23 ካብታ ብስምካ ኽዛረብ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ዝኣቶኹላ ግዜ፡+ ንሱ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣጽቢቡሉ ኣሎ፡+ ንስኻ እውን ንህዝብኻ ብርግጽ ኣየናገፍካዮን” በለ።+ 21 “እቲ እተመሓላልፈሎም ፍርድታት እዚ እዩ፦+ 2 “እብራዊ ባርያ እንተ ዓዲግካ፡+ ሽዱሽተ ዓመት ባርያኻ ይኹን፣ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ብዘይ ክፍሊት ሓራ ይውጻእ።+ 3 በይኑ ዝመጸ እንተ ዀይኑ፡ በይኑ ይውጻእ። ብዓል ሰበይቲ እንተ ዀይኑ፡ ሰበይቱ ምስኡ ትውጻእ። 4 ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሂብዎ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን እንተ ወሊዳትሉ፡ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኣ ይኹኑ፡ ንሱ በይኑ ይውጻእ።+ 5 ግናኸ፡ እቲ ባርያ፡ ‘ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ እየ፣ ሓራ ኽወጽእ ኣይደልን እየ’ እንተ ኢሉ፡+ 6 ጐይታኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የምጽኣዮ። ጐይታኡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ ኸኣ፡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ፣ ንሱ ድማ ንሓዋሩ ባርያኡ ይኹን። 7 “ሰብ፡ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸይጡ፡ ንሳ ኸምቲ ተባዕታይ ባርያ ሓራ ዚወጸሉ መገዲ ሓራ ኣይትውጻእ። 8 ጐይታኣ ብእኣ ባህ እንተ ዘይኢልዎ፡ ሰበይቲ ወሰኑ እውን እንተ ዘይገይርዋ፡ ብኻልእ ከም እትዕደግ* ግና እንተ ገይሩ፡ ጠሊምዋ እዩ እሞ፡ ንጓና ኺሸጣ ኣይግብኦን እዩ። 9 ንወዱ እንተ ሓርይዋ፡ ንጓል ዚግባእ ይግበረላ። 10 ንርእሱ ኻልእ ሰበይቲ እንተ ወሲዱ፡ ነዛ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ቐለባን ክዳናን ናይ መውስቦ ግቡኣን+ ኣየጕድለላ። 11 እዚ ሰለስተ ነገር እዚ ዘይገብረላ እንተ ዀይኑ ግና፡ ብዘይ ክፍሊት ገንዘብ ሓራ ትውጻእ። 12 “ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ፡ ይቀተል።+ 13 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝፈቐደ ደኣ እምበር፡ ንሱ ብዘይፍላጥ እንተ ገይርዎ ግና፡ ዚሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።+ 14 ሰብ ንብጻዩ ኣዝዩ እንተ ተቘጢዕዎ እሞ፡ ብፍላጥ እንተ ቐቲልዎ፡+ ዋላ እውን ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ እሞ፡ ይቀተል።+ 15 ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዝወቕዐ፡ ይቀተል።+ 16 “ንሰብ ጨውዩ+ ዝሸጠ ወይ ሒዝዎ ኸሎ እተረኽበ፡+ ይቀተል።+ 17 “ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዚረግም፡ ይቀተል።+ 18 “ሰባት እንተ ተባኢሶም፡ እቲ ሓደ ኸኣ ንብጻዩ ብእምኒ ወይ ብጕስጢ* እንተ ወቒዕዎ እሞ፡ እንተ ዘይሞይቱ፡ ግናኸ ኣብ ዓራት እንተ ደቂሱ፡ ከምዚ ይኹን፦ 19 በትሪ ተመርኲሱ እንተ ተንሲኡን ኣብ ግዳም ኪዛወር እንተ ኽኢሉን፡ ሽዑ እቲ ዝወቕዖ ኻብ መቕጻዕቲ ሓራ ይወጽእ። ነቲ እቲ እተጐድአ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሓዊ ኻብ ስራሕ ዝበዀሮ እዋን ጥራይ ይኽሓስ። 20 “ሰብ ንግዙኡ ወይ ንግዝእቱ ብበትሪ እንተ ወቒዑ እሞ ብኢዱ እንተ ሞይቱ፡ ሕነ ይፈደ።+ 21 ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተ ጸኒሑ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ፡ ሕነ ኣይፈደ። 22 “ሰባት እንተ ተባኢሶም፡ ጥንስቲ ሰበይቲ ኸኣ እንተ ጐዲኦም፡ ንሳ ድማ ቅድሚ እዋና እንተ ወሊዳ፡*+ ካልእ ጕድኣት ግና እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ በዳሊ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝመደበሉ ኻሕሳ ይኽሓስ፣ ብፈራዶ ኣቢሉ እውን ይኽፈል።+ 23 ጕድኣት እንተ ዀይኑ ግና፡ ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት* ሃብ፣+ 24 ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፣ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፣ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ፣+ 25 ኣብ ክንዲ ንዳድ፡ ንዳድ፣ ኣብ ክንዲ መውቃዕቲ፡ መውቃዕቲ ሃብ። 26 “ሰብ ዓይኒ ግዙኡ ወይ ዓይኒ ግዝእቱ ወቒዑ እንተ ኣጥፊኡ፡ ካሕሳ ዓይኑ ነቲ ግዙእ ሓራ የውጽኣዮ።+ 27 ስኒ ግዙኡ ወይ ስኒ ግዝእቱ እንተ ሰይሩ ኸኣ፡ ካሕሳ ስኑ ሓራ የውጽኣዮ። 28 “ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቀተል፡+ ስጋኡ እውን ኣይበላዕ፣ እቲ ብዓል ብዕራይ ግና ካብ መቕጻዕቲ ናጻ እዩ። 29 ግናኸ፡ እቲ ብዕራይ ተዋጋኢ እንተ ነይሩ እሞ፡ ንዋናኡ ኣሰሚዖምሉ ኸለዉ እንተ ዘይሓልይዎ፡ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ድማ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቀተል፡ እቲ ዋናኡ እውን ይቀተል። 30 ጋር* ኪኸፍል እንተ ተመዲቡሉ፡ ዋጋ ጋር ነፍሱ* ዅሉ እቲ እተመደበሉ ይሃብ። 31 ንወዲ ወይ ንጓል እንተ ወጊኡ፡ ኣብቲ ብዓል ብዕራይ ከምዚ ፍርዲ እዚ ይገበር። 32 እቲ ብዕራይ ንግዙእ ወይ ንግዝእቲ እንተ ወጊኡ፡ ንጐይታ እቲ ውጉእ 30 ሲቃል* ይሃቦ፣ እቲ ብዕራይ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቀተል። 33 “ሰብ ጕድጓድ እንተ ኸፊቱ ወይ እንተ ዅዒቱ እሞ፡ እንተ ዘይከዲንዎ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወዲቑ፡ 34 እቲ ብዓል ጕድጓድ ይኽሓስ።+ ነቲ ዋናኡ ይኽሓሶ እሞ፡ እቲ ምዉት እንስሳ ናቱ ይኹን። 35 ብዕራይ ሓደ ሰብ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐቲሉ፡ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራይ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ፣ ነቲ ምዉት እንስሳ እውን ይማቐልዎ። 36 እቲ ብዕራይ ተዋጋኢ ምዃኑ ፍሉጥ እንተ ነይሩ እሞ፡ ዋናኡ እንተ ዘይሓልይዎ ግና፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ፡ ብዕራይ ይኽሓስ። እቲ ምዉት ከኣ ናቱ ይኹን። 15 ሽዑ፡ ሙሴን እስራኤላውያንን ንየሆዋ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፦+ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ኽዝምረሉ እየ።+ ንፈረስን ንተወጣሒኡን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ።+ 2 ያህ* ድሕነተይ ስለ ዝዀነ፡ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ።+ እዚ ኣምላኸይ እዩ፡ ክውድሶ እየ፣+ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡+ ልዕል ከብሎ እየ።+ 3 የሆዋ ሓያል ተዋጋኢ እዩ።+ ስሙ የሆዋ እዩ።+ 4 ንሰረገላታት ፈርኦንን ንሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርብይዎም።+ ሕሩያት ተዋጋእቱ ኸኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም።+ 5 ቡሕቡሕታ ማያት ከዲንዎም፣ ከም እምኒ ናብ መዓሙቝ ጥሒሎም።+ 6 ኦ የሆዋ፡ የማነይቲ ኢድካ ብሓይሊ ዓባይ እያ፣+ኦ የሆዋ፡ የማነይቲ ኢድካ ንጸላኢ ትሕምሽሾ እያ። 7 ንዚትንስኡኻ ብዓብዪ ግርማኻ ተውድቖም፣+ዚነድድ ቍጥዓኻ ትሰድድ እሞ፡ ከም ሓሰር ይበልዖም። 8 ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀሚሮም፣ወሓይዝ ተገዲቦም ደው ኢሎም፣ቡሕቡሕታ ማያት ኣብ ማእከል* ባሕሪ ረጊኦም። 9 ጸላኢ፡ ‘ክስዕቦም እየ! ከርክቦም እየ! ክሳዕ ዝጸግብ፡* ምርኮ ኽመቅል እየ! ሰይፈይ ክመልሕ እየ! ኢደይ ክትስዕሮም እያ!’ ኢሉ።+ 10 ብትንፋስካ ኡፍ ኢልካ፡ ባሕሪ ድማ ከዲንዎም፣+ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጥሒሎም። 11 ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽትስ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+ ኣታ ብመዝሙር ውዳሰ እትኽበር፡ መስተንክር እትገብር፡+ ብቕድስና ዓብዪ ዝዀንካ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+ 12 የማነይቲ ኢድካ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ኸኣ ውሒጣቶም።+ 13 ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ መሪሕካዮም፣+ብብርታዐኻ ናብ ቅዱስ መንበሪኻ ኽትመርሖም ኢኻ። 14 ህዝብታት ይስምዑ፡+ ፈጥፈጥ ከኣ ኪብሉ እዮም፣ንነበርቲ ፍልስጥኤም ቅልውላው ኪሕዞም እዩ። 15 ሽዑ፡ ሹማምንቲ* ኤዶም ኪሽበሩ እዮም፣ሓያላት ገዛእቲ* ሞኣብ ከኣ ራዕዲ ኺሕዞም እዩ።+ ኵሎም ነበርቲ ከነኣን ኪጃጅዉ እዮም።+ 16 ፍርህን ራዕድን ኪወድቆም እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡እቲ ዝፈጠርካዮ ህዝቢ+ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡+ብዕቤት ቅልጽምካ ኸም እምኒ ኺዕነዱ እዮም። 17 ኦ የሆዋ፡ ኣብታ ኽትነብረላ ዘዳሎኻያ ቦታ፡ኦ የሆዋ፡ ኣብታ ብኢድካ ዝሰረትካያ መቕደስ፡ኣብ ከረን ርስትኻ ተምጽኦምን ትተኽሎምን።+ 18 የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ።+ 19 ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ምስ ኣተዉ፡+የሆዋ ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መሊስዎ፣+ህዝቢ እስራኤል ግና ብንቑጽ ምድሪ ብማእከል ባሕሪ ሓሊፎም።”+ 20 ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ፡ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፣ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ሰዓባኣ። 21 ሚርያም ከኣ ከምዚ ኢላ መለሰትሎም፦ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ።+ ንፈረስን ነቲ እተወጥሖን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ።”+ 22 ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንቀሎም፣ ናብ በረኻ ሹር ከኣ ከዱ፣ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ፡ ማይ ግና ኣይረኸቡን። 23 ናብ ማራ* ድማ መጹ፡+ ማይ ማራ ግና መሪር ስለ ዝነበረ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ማራ ኢሉ ሰመያ። 24 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እንታይ ክንሰቲ ኢና፧” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።+ 25 ንሱ ድማ ናብ የሆዋ ተማህለለ፣+ የሆዋ ኸኣ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮ። ንዓኣ ናብቲ ማይ ምስ ደርበያ ድማ፡ እቲ ማይ ጥዑም ኰነ። ኣብኡ ኸኣ ስርዓትን ሕግን ገበረሎም፣ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም።+ 26 ከምዚ ድማ በለ፦ “ቃል የሆዋ ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰሚዕካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዘበለ ኸኣ እንተ ጌርካ፡ ናብ ትእዛዛቱ ድማ ጽን እንተ ኢልካ፡ ኵሉ ስርዓታቱ እውን እንተ ሓሊኻ፡+ ኣነ እቲ ዘሕውየካ የሆዋ እየ እሞ፡+ ናብ ልዕሊ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማማት ኣይከምጽኣልካን እየ።”+ 27 ድሕርዚ፡ ናብ ኤሊም መጹ፣ ኣብኣ ድማ 12 ዓይኒ ማይን 70 ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ። 22 “ሰብ፡ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓሪዱ፡ ወይ እንተ ሸይጡ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ከኣ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሓስ።+ 2 (“ሰራቒ+ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኺቡ እሞ፡ ተወቒዑ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ወቓዒ ዕዳ ደም የብሉን። 3 ጸሓይ ምስ በረቐት ከምኡ እንተ ዀይኑ ግና፡ ዕዳ ደም ኣለዎ።) “እቲ ሰራቒ ይኽሓስ። ሓንቲ እኳ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥ። 4 እቲ ዝሰረቖ፡ ብዕራይ ኰነ፡ ወይ ኣድጊ ዀነ፡ ወይ በጊዕ ኰነ፡ ብህይወቱ ምስኡ እንተ ተረኺቡ፡ ዕጽፊ ገይሩ ይኽሓስ። 5 “ሰብ ንእንስሳኡ ኣብ ግራት ወይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼብልዕ እንተ ፈንዩ፡ ግራት ካልእ ኪበልዕ ከኣ እንተ ሓዲግዎ፡ ካብ ግራቱ እቲ ዝበለጸ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ እቲ ዝበለጸ ይኽሓስ። 6 “ሓዊ ተላዒሉ ናብ ኣሻዅ ቈጥቋጣት እንተ ተላቢዑ እሞ፡ እንዳእትታት ወይ ዘይተዓጽደ እኽሊ ወይ ግራት እንተ ኣንዲዱ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኣብ ክንዲ እቲ ዝነደደ ይኽሓስ። 7 “ሰብ ንብጻዩ፡ ገንዘብ ወይ ኣቕሑ ኺሕልወሉ እንተ ሂብዎ፡ ካብ ቤት እቲ ብጻዩ ኸኣ እንተ ተሰሪቑ፡ እቲ ሰራቒ ድማ እንተ ተረኺቡ፡ ዕጽፊ ገይሩ ይኽሓስ።+ 8 እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኺቡ፡ እቲ ብዓል ቤት ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሐ ንምውሳን፡ ናብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይቕረብ።+ 9 ኣብ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ክዳን ኰነ፡ ወይ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዝጠፍአ እሞ እቲ ሓደ፡ ‘እዚ ናተይ እዩ’ ብምባሉ ዚልዓል ነገር፡ ክልቲኦም ነቲ ነገሮም ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የምጽእዎ።+ እቲ ኣምላኽ በዳሊ ምዃኑ ዝፈረዶ ኸኣ፡ ንብጻዩ ዕጽፊ ገይሩ ይኽሓሶ።+ 10 “ሰብ ንብጻዩ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝዀነ እንስሳ ዘቤት ኪሕልወሉ እንተ ሂብዎ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞይቱ፡ ወይ እንተ ተሰይሩ፡ ወይ ዋላ ሓደ ኸይረኣየ እንተ ተዘሚቱ፡ 11 ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሐ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ማሕላ ይግበሩ፣ እቲ ዋና ድማ ይቀበሎ። እቲ ኻልእ ከኣ ኣይኽሓስ።+ 12 እቲ እንስሳ ኻብኡ እንተ ተሰሪቑ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይኽሓሶ። 13 ኣራዊት እንተ በትቢትዎ ድማ፡ ነቲ እተበትበተ ኸም መርትዖ የምጽኣዮ። ኣብ ክንዲ እቲ እተበትበተ ኣይኽሓስ። 14 “ግናኸ፡ ሰብ ካብ ብጻዩ እንስሳ ኺልቃሕ እንተ ለሚኑ፡ ዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰይሩ፡ ወይ እንተ ሞይቱ፡ እቲ እተለቅሖ ሰብ ይኽሓስ። 15 እቲ ዋና ምስኡ እንተ ነይሩ ግና፡ ኣይኽሓስ። ተኻርዩ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ንኽራዩ እተኸፍለ ገንዘብ ካሕሳ እዩ። 16 “ሰብ ንሓንቲ ዘይተሓጽየት ድንግል እንተ ኣስሒትዋ እሞ፡ ምስኣ እንተ ደቂሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ።+ 17 ኣቦኣ ፈጺሙ እንተ ኣብይዎ፡ ማዕረ ገዝሚ ዚኸውን ገንዘብ ይኽፈል። 18 “ንኣስማተኛ ብህይወት ኣይትሕደጋ።+ 19 “ምስ እንስሳ ዚድቅስ ዘበለ ዅሉ ብርግጽ ይቀተል።+ 20 “ብዘይካ ንየሆዋ ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጥፋእ።+ 21 “ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡+ ንጓና ኣይትግፍዓዮ ወይ ኣይትጨቍኖ።+ 22 “ንመበለት ወይ ንዘኽታም* ኣይትግፍዑ።+ 23 እንተ ገፊዕካዮ እሞ፡ ናባይ እንተ ጠሪዑ፡ ጥርዓኑ ርግጽ ክሰምዕ እየ፣+ 24 ቍጥዓይ ከኣ ኪነድድ እዩ፣ ብሰይፊ ድማ ክቐትለኩም እየ። ሽዑ፡ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቅኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ። 25 “ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚቕመጥ ድኻ* ገንዘብ እንተ ኣለቂሕካዮ፡ ከም ኣለቃሓይ* ኣይትኹኖ። ወለድ ኣይተኽፍሎ።+ 26 “ክዳን ብጻይካ ኸም ትሕጃ እንተ ሒዝካ፡+ ጸሓይ ከይዓረበት ምለሰሉ። 27 እቲ ንሰብነቱ* ዚኸድነሉ ኽዳኑ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ እንታይ ተኸዲኑ ኺድቅስ እዩ፧+ ናባይ እንተ ጠሪዑ፡ ርሕሩሕ* እየ እሞ፡ ብርግጽ ክሰምዖ እየ።+ 28 “ንኣምላኽ ኣይትርገም፣*+ ንሹም* ህዝብኻ እውን ኣይትርገም።+ 29 “ካብቲ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍርያትካን መሊኡ ዚጅርብብ መጽመቚኻን፡* መባእ ንምሃብ ኣይተማትእ።+ ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንዓይ ሃበኒ።+ 30 ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕካን እውን ከምዚ ግበር፦+ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ። ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ንዓይ ሃበኒ።+ 31 “ቅዱሳት ኩኑለይ፣+ ኣራዊት ኣብ መሮር ናይ ዝበትበቶ ስጋ ኣይትብልዑ።+ ንኣኽላባት ደርብይዎ። 39 ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን+ ኣብ መቕደስ ንምግልጋል ዚኸውን ጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንቲ ገበሩ። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንኣሮን ቅዱስ ክዳውንቲ ገበሩሉ።+ 2 ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ከኣ ኤፎድ+ ገበረ። 3 ወርቂ ቐጥቂጦም ድማ ኣርቀቑ፣ ምስ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ምስ ዚሕብሩ ጸምርን ምስ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ምስ ቅጭን በፍታን ኪስራሕ ከኣ ከም ፈትሊ ገይሩ ተልተሎ፣ እተጠልፈ ድማ ነበረ። 4 ልጋብ ኣጭርቕቲ መንኵብ ከኣ ገበሩሉ፣ ኣብ ክልተ ጫፉ እውን ለገብዎ። 5 እቲ ምስቲ ኤፎድ እተላገበ ንምዕጣቕ ዚኸውን እሉም ዕጣቕ ከኣ፡+ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ብሓደ ዓይነት ስርሓት፡ ማለት ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ነበረ። 6 ነቲ ኣእማን ኦኒክስ ከኣ ኣብቲ መቓናት ወርቂ ገበርዎ፣ ስማት ደቂ እስራኤል ድማ ከም ቅርጺ ማሕተም ገይሮም ቀረጹሉ።+ 7 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡+ ኣብቲ ኣብ ኤፎድ ዘሎ ኣጭርቕቲ መንኵብ ኣንበሮ። 8 ልብሲ ኣፍ ልቢ+ ድማ ብምጥላፍ ገበሮ፣ ከምቲ ኤፎድ ገይሩ ኸኣ፡ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ገበሮ።+ 9 ምስ ተዓጽፈ፡ ትርብዒት ነበረ። ነቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኸኣ ምስ ተዓጽፈ፡ ስድሪ* ዝንውሓቱን ስድሪ ዝግፍሑን ገይሮም ገበርዎ። 10 ኣብኡ ድማ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ገበሩሉ። እቲ ቐዳማይ መስርዕ፡ ሮቢኖስን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን ነበረ። 11 እቲ ኻልኣይ መስርዕ፡ ቱርቆይዝን ሰፊሮስን ያስጲስን ነበረ። 12 እቲ ሳልሳይ መስርዕ፡ ለሸምን ኣጋትን ኣሜትስጦስን ነበረ። 13 እቲ ራብዓይ መስርዕ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያሸፈን ነበረ። ኣብ መቓናት ወርቂ ኸኣ ተገብረ። 14 እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት 12 ደቂ እስራኤል ነበረ፣ እቲ ስማት ከኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ተገይሩ ን12 ነገዳት ሓሓደ ስም ተቐርጸ። 15 ኣብ ልዕሊ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኸኣ፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ እተተንገ ሰንሰለት ገበሩ።+ 16 ክልተ መቓን ወርቅን ክልተ ቐለቤት ወርቅን ገይሮም፡ ነቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ክልተ መኣዝን እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣላገብዎ። 17 ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ኽልተ ገመድ ድማ፡ በቲ ኣብ መኣዝናት እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ኣሕለፍዎ። 18 ነቲ ኽልተ ጫፍ እቲ ኽልተ ገመድ ከኣ በቲ ኽልተ መቓን ኣሕለፍዎ፣ ምስቲ ኣጭርቕቲ መንኵብ እቲ ኤፎድ ድማ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ኣላገብዎ። 19 ካብ ወርቂ ኸኣ ክልተ ቐለቤት ገይሮም፡ ኣብ ውሽጣዊ ጥርዚ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ፡ ኣብ ክልተ ጫፉ፡ ናብቲ ኤፎድ ገጹ ገይሮም ገበርዎ።+ 20 ክልተ ኻልእ ቀለቤት ወርቂ እውን ኣብ ቅድሚት እቲ ኤፎድ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽልተ ጨርቂ መንኵብ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚላገበሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እሉም ዕጣቕ ኤፎድ ገበሩ። 21 እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ኣብቲ ኤፎድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እሉም ዕጣቕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ነቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ በቲ ኻብቲ ቐላብቱ ናብቲ ቐላብቲ ኤፎድ ዚሓልፍ ሰማያዊ ፍሕሶ ገይሮም ኣሰርዎ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 22 ናይ ኤፎድ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ኸኣ፡ ብምሉኡ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ ብእተኣልመ ገይሩ ገበረ።+ 23 እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ድማ ኣብ ማእከሉ ኸም ኣፍ ድርዒ ዝበለ ኣፍ ነበሮ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ኣብ ዙርያኡ ብኣላማይ እተኣልመ መኽፈፍ ነበሮ። 24 ኣብቲ ታሕተዋይ ከፈፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ኸኣ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን እተፋሕሰ ሮማናት ገበሩሉ። 25 ካብ ጽሩይ ወርቂ ቓጭላት ገይሮም ድማ፡ ነቲ ቓጭላት ኣብ መመንጎ ሮማናት፡ ኣብ ዙርያ ታሕተዋይ ከፈፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ፡ ኣብ መመንጎ እቲ ሮማናት ገበሩሉ። 26 ኣብ ታሕተዋይ ከፈፍ እቲ ንምግልጋል ዚኸውን እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ፡ ኣብ ዙርያኡ ቓጭል ወርቅን ሮማንን፡ ቃጭል ወርቅን ሮማንን እናኣዛነቑ ገበሩ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 27 ንኣሮንን ንደቁን ከኣ፡ ካብ ቅጭን በፍታ እተኣልመ ወለል ዚብል ክዳውንቲ ገበሩሎም፣+ 28 ካብ ቅጭን በፍታ ድማ መጠምጠምያ፡+ ካብ ቅጭን በፍታ ኸኣ ጌጸኛ መዐመምያ፡+ ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታ ድማ ስረ* በፍታ፡+ 29 ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብሓደ ብምእላም እተገብረ ኸኣ ቅናት ገበሩ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 30 ካብ ጽሩይ ወርቂ ዜንጸባርቕ ቀጸላ፡ ቅዱስ ምልክት ተወፋይነት ገበሩ እሞ፡ ኣብኡ፡ “ቅድስና ናይ የሆዋ” ዚብል ከም ኣቀራርጻ ማሕተም ጌርካ ጽሕፈት ጸሓፉሉ።+ 31 ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ምእንቲ ኺእሰር፡ ካብ ሰማያዊ ፈትሊ እተገብረ ፍሕሶ ምስኡ ኣተሓሓዙሉ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 32 ኵሉ እቲ ዕዮ ማሕደር፡ ድንኳን ምርኻብ፡ ተወድአ፣ እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ።+ ልክዕ ከምኡ ገበሩ። 33 ነቲ ማሕደር+ ድማ ናብ ሙሴ ኣምጽእዎ፣ ማለት ነቲ ድንኳንን+ ንዅሉ ኣቕሑኡን፡ ንመቘለፊታቱ፡*+ ነቲ መቓናት ሉሕ፡+ ንተገዳማቱን+ ንኣዕኑዱን ነቲ ዚስኵዓሉ መቘምን፡+ 34 ነቲ ብቐይሕ ካብ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል እተገብረ መኽደኒኡ፡+ ነቲ ኻብ ቈራብቲ ታሓሽ* እተገብረ መኽደኒኡ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ፡+ 35 ነቲ ታቦት ኪዳንን ንዘንግታቱን+ ነቲ መኽደንን፡+ 36 ነቲ ሰደቓ፡ ንዅሉ ኣቕሑኡን+ ነቲ እንጌራ ምርኣይን፡ 37 ነቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐንዴል፡ ንቐነዲሉ፡+ ማለት ነቲ እተሰርዐ ቐነዲል፡ ንዅሉ ኣቕሑኡን+ ነቲ ንምብራህ ዚኸውን ዘይትን፡+ 38 ነቲ መሰውኢ+ ወርቂ፡ ነቲ ዘይቲ ቕብኣት፡+ ነቲ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን፡+ ነቲ ንኣፍ ደገ ድንኳን ዚኸውን መጋረዲ፡*+ 39 ነቲ መሰውኢ ነሓሲ፡+ ነቲ ናይ ነሓሲ ርበኡ፡ ንዘንግታቱ፡+ ንዅሉ ኣቕሑኡ፡+ ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን፡+ 40 ነቲ መኸወሊታት* ኣጸድ፡ ንኣዕኑዱን ነቲ ዚስኵዓሉ መቘምን፡+ ነቲ ንኣፍ ደገ ኣጸድ ዚኸውን መጋረዲ፡*+ ንኣግማዱን ንሽኻላቱን+ ነቲ ንኣገልግሎት ማሕደር፡ ማለት ንድንኳን ምርኻብ ዚኸውን ኵሉ ኣቕሑን፡ 41 ነቲ ኣብ መቕደስ ንምግልጋል ዚኸውን ጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንቲ፡ ነቲ ንኻህን ኣሮን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ፡+ ነቲ ደቁ ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ። 42 እስራኤላውያን ንዅሉ እቲ ዕዮ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ።+ 43 ሙሴ ንዅሉ ዕዮኦም ምስ መርመሮ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኸም ዝገበሩ ረኣየ። ሽዑ፡ ሙሴ መረቖም። 17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም እስራኤላውያንን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ እዚ እዩ፦ 3 “‘“ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ብዕራይ ወይ ገንሸል* ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሓሪዱ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተ ሓሪዱ፡ 4 ኣብ ቅድሚ ማሕደር የሆዋ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኪኸውን ኬቕርቦ ኸኣ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጺእዎ፡ ነቲ ሰብ እቲ ዕዳ ደም ይቝጸረሉ። ደም ኣፍሲሱ እዩ፣ እቲ ሰብ እቲ ኻብ መንጎ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ። 5 እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ነቲ ኣብ መሮር ዚስውእዎ መስዋእቶም ናብ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን ምእንቲ ኼምጽእዎ እዩ። ነዚ ድማ ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ኪኸውን ይሰውእዎ።+ 6 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሆዋ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይንጸጎ፣ ነቲ ስብሒ ድማ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን የሕርሮ።+ 7 ስለዚ፡ ድሕሪ ደጊም መስዋእቶም ነቶም ምሳታቶም ዚምንዝሩ+ ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንቲ* ኣይሰውኡ።+ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም።”’ 8 “ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና፡ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ እንተ ኣቕሪቡ፡ 9 ንየሆዋ ኺስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጺእዎ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።+ 10 “‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና፡ ደም ዘበለ እንተ በሊዑ፡+ ነቲ ደም ዝበልዐ ሰብ* ብርግጽ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ እየ፣ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸኣ ክምንቍሶ እየ። 11 ከመይሲ፡ ህይወት* እቲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፣+ እቲ በታ ኣብኡ ዘላ ህይወት* ገይሩ ዜተዓርቕ፡ ደም እዩ እሞ፡+ ኣነ ኣብ መሰውኢ ንዓኻትኩም* ኬተዓርቕ ኢለ ሃብኩኹም።+ 12 ስለዚ እየ ንእስራኤላውያን፡ “ካባኻትኩም ሓደ* እኳ ደም ኣይብላዕ፣ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና+ እውን ደም ኣይብላዕ”+ ዝበልክዎም። 13 “‘ሓደ ኻብ እስራኤላውያን ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና ዚብላዕ እንስሳ ዘገዳም ወይ ዑፍ ሃዲኑ እንተ ሒዙ፡ ነቲ ደሙ ኣፍሲሱ+ ብሓመድ ይኽደኖ። 14 ከመይሲ፡ ህይወት* ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ህይወት* ኵሉ ስጋ ኣብ ደሙ እዩ። ስለዚ፡ ንእስራኤላውያን፡ “ህይወት* ኵሉ ስጋ፡ ደሙ እዩ እሞ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ። ዚበልዖ ዘበለ ኺምንቈስ እዩ” በልክዎም።+ 15 ዝዀነ ሰብ፡* ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝበትበቶ እንተ በሊዑ፡+ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን፣+ ድሕሪኡ፡ ይነጽህ። 16 ክዳውንቱ እንተ ዘይሓጺቡ፡ ሰብነቱ* ድማ እንተ ዘይተሓጺቡ ግና፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።’”+ 18 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+ 3 ከም ግብሪ እቶም ኣብታ እትቕመጥዋ ዝነበርኩም ምድሪ ግብጺ ዚነብሩ ኣይትግበሩ፣ ከም ግብሪ እቶም ኣነ ናብኣ ኣብ ዘእትወኩም ምድሪ ከነኣን ዚነብሩ ድማ ኣይትግበሩ፣+ ብሕግታቶም እውን ኣይትመላለሱ። 4 ፍርድታተይ ግበሩ፡ ሕግታተይ ከኣ ሓልዉ፡ ብእኡ እውን ተመላለሱ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 5 ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፣ ዚገብሮ ዘበለ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 6 “‘ካባኻትኩም ሓደ እኳ ምስ ቀረባ ዘመዱ ጾታዊ ርክብ ኪገብር* ኣይቕረብ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 7 ምስ ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር፣ ምስ ኣዴኻ እውን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። ንሳ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 8 “‘ምስ ሰበይቲ ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንኣቦኻ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ።* 9 “‘ምስ ሓብትኻ፡ ማለት ምስ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት ትወለድ ወይ ኣብ ወጻኢ፡ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ 10 “‘ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ ሕፍረትካ እየን እሞ፡ ምሳታተን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 11 “‘ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኻብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 12 “‘ምስ ኣሞኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ።+ 13 “‘ሓትኖኻ ቐረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 14 “‘ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኻ ጾታዊ ርክብ ብምግባር፡ ንዕኡ ንሕፍረት ኣይተቃልዓዮ።* ንሳ ዘመድካ እያ።+ 15 “‘ምስ ሰበይቲ ወድኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንሳ ሰበይቲ ወድኻ እያ እሞ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 16 “‘ምስ ሰበይቲ ሓውካ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ንሓውካ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ።* 17 “‘ምስ ሰበይትን ምስ ጓላን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ ብስጋ ኽትራኸብ ኢልካ ጓል ወዳን ጓል ጓላን ኣይትውሰድ። ንሳተን ቀረባ ኣዝማዳ እየን፣ እዚ ጽያፍ* እዩ። 18 “‘ሓብታ ብህይወታ ኸላ፡ ንሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ሓብታ ኸም መቐናቕንቲ ሰበይቲ ጌርካ ኣይትውሰዳ፡+ ምስኣ እውን ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር። 19 “‘ሰበይቲ ብጻግኒኣ ረኺሳ ኸላ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ኣይትቕረባ።+ 20 “‘ከይትረክስሲ፡ ምስ ሰበይቲ ብጻይካ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ 21 “‘ካብ ዘርእኻ ሓደ እኳ ንሞሌኽ ኪቐርብ* ኣይትፍቀድ።+ በዚ ኸምዚ፡ ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 22 “‘ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ጌርካ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ።+ እዚ ፍንፉን እዩ። 23 “‘ከይረክስሲ፡ ሰብኣይ ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ኣይግበር። ሰበይቲ እውን ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ርእሳ ኣይተቕርብ።+ እዚ ዘይባህርያዊ እዩ። 24 “‘እቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጕጎም ኣህዛብ በዚ ዅሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዅሉ ኣይትርከሱ።+ 25 ስለዚ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት፣ ብሰንኪ ስሕተታ ድማ፡ ኣነ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኸምጽኣላ እየ፣ እታ ምድሪ ኸኣ ንነበርታ ኽትተፍኦም እያ።+ 26 ንስኻትኩም ግና ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፣+ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓና፡ ካብዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ሓደ እኳ ኣይትግበሩ።+ 27 ከመይሲ፡ እቶም ቅድሜኹም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት ገይሮም እዮም፣+ ስለዚ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት። 28 እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኣህዛብ ኸም እትተፍኦም፡ ንዓኻትኩም እውን ከይትተፍኣኩም። 29 ካብዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ዝገበረ ዘበለ፡ ኵሎም እቶም ከምኡ ዝገበሩ* ኻብ ህዝቦም ኪምንቈሱ እዮም። 30 ብእኡ ኸይትረኽሱስ፡ ከምቲ ቕድሜኹም ዚግበር ዝነበረ ፍንፉን ልምድታት ብዘይምግባር፡+ ኣብ ቅድመይ ዘሎኩም ግዴታ ሓልዉ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’” 23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እተን እትእውጅወን በዓላት+ የሆዋ፡+ ቅዱሳት ኣኼባታት እየን። በዓላተይ እዚኣተን እየን፦ 3 “‘ሽዱሽተ መዓልቲ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡+ ቅዱስ ኣኼባ እያ። ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ። ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ድማ ንየሆዋ ሰንበት እያ።+ 4 “‘እተን ብምዱብ ግዜኡ እትእውጅወን በዓላት የሆዋ፡ ማለት ቅዱሳት ኣኼባታት እዚኣተን እየን፦ 5 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ንየሆዋ ፋስጋ እዩ።+ 6 “‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንየሆዋ በዓል ቅጫ ይኹን።+ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።+ 7 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 8 ግናኸ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን። ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።’” 9 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 10 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ከኣ ምስ ዓጸድኩም፡ ካብ በዅሪ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ+ ናብ ካህን ኣምጽኡ።+ 11 ተቐባልነት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይወዝውዛ። እቲ ኻህን ኣብታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ። 12 ኣብታ እንዳእቲ እተወዝውዙላ መዓልቲ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ጥዑይ ገንሸል* ኣቕርቡ። 13 እቲ ምስኡ ዘሎ መስዋእቲ እኽሊ ድማ፡ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ጥዑም ጨና ይኹን። እቲ መስዋእቲ መስተ ኸኣ፡ ርብዒ ሂን* ወይኒ ይኹን። 14 ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ፡ ወይ ቆሎ፡ ወይ ሓድሽ እኽሊ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 15 “‘ካብ ጽባሕ እታ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ዚኸውን እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ መዓልቲ ሰንበት፡ ሸውዓተ ሰናብቲ ቝጸሩ።+ እዚኣተን ከኣ ምሉኣት ሰሙናት ይኹና። 16 ክሳዕ ጽባሕ እታ ሻውዐይቲ ሰንበት፡ 50 መዓልቲ ቝጸሩ እሞ፡+ ንየሆዋ ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕርቡ።+ 17 ካብቲ እትነብሩሉ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ኽልተ እንጌራ ኣምጽኡ። እዚ ኸኣ፡ ካብ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ እተዳለወ ይኹን። ንየሆዋ በዅሪ ፍረ+ ምእንቲ ኪኸውን ድማ በዂዑ ይሰንከት።+ 18 ምስቲ እንጌራ ድማ፡ ሸውዓተ ጥዑያት ገንሸል ዓመትን ሓደ ዝራብዕን ክልተ ድዑልን ኣቕርቡ።+ ምስቲ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ይኹን። 19 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ከኣ፡ ሓደ ወጠጦ፡ ንመስዋእቲ ሕብረት+ ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። 20 እቲ ኻህን ከኣ፡ ነቲ እንጌራ በዅሪ ፍረ ምስቲ ኽልተ ገንሸል፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ይወዝውዞ። ነቲ ኻህን፡ ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹነሉ።+ 21 ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቅዱስ ኣኼባ ኪዀነልኩም ኣውጁ።+ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 22 “‘ዓጺድ ምድርኹም ክትዓጽዱ ኸለኹም፡ ንደረት ግራትካ ጠሪስካ ኣይትዕጸዶ፣ ንቐሪም ዓጺድካ እውን ኣይትእረዮ።+ ንድኻን*+ ንጓናን+ ደኣ ሕደጎ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’” 23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ምሉእ ዕረፍቲ፡ ብደሃይ መለኸት ዚእወጅ መዘከርታ፡+ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። 25 ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ፣ ንየሆዋ ድማ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ።’” 26 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 27 “ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፡ መዓልቲ ዕርቂ እያ።+ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፣ ርእስኹም ኣሕስሙ፡*+ ንየሆዋ ድማ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። 28 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ። 29 በታ መዓልቲ እቲኣ ርእሱ ዘየሕስም* ሰብ፡* ካብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።+ 30 በታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ዚዓዪ ሰብ* እውን፡ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸጥፍእ እየ። 31 ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ዅሉ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 32 እዚኣ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ ትኹነልኩም፣ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፡ ምሸት ርእስኹም* ኣሕስሙ።+ ንሰንበትኩም ከኣ ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብዕልዋ።” 33 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 34 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እዛ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ንየሆዋ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ ይኹን።+ 35 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፣ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኸኣ ኣይትዕየዩ። 36 ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፣+ ንየሆዋ ኸኣ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። እዚ ፍሉይ ኣኼባ እዩ። ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 37 “‘ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡—ዚሓርር መስዋእትን+ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ዘሎ መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን፡+—በብመዓልቱ ንምቕራብ ቅዱሳት ኣኼባታት+ እትእውጁለን በዓላት+ የሆዋ እዚኣተን እየን። 38 እዚ ብዘይካ እቲ ንየሆዋ እትህብዎ ኣብ ሰናብቲ የሆዋ+ ዚቐርብ መባእኩምን+ መስዋእቲ መብጽዓኹምን+ መስዋእቲ ፍታውኩምን+ እዩ። 39 ግናኸ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ፍርያት እታ ምድሪ ምስ ኣከብኩም፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል የሆዋ ኣብዕሉ።+ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ምሉእ ዕረፍቲ ይኹን፡ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ እውን ምሉእ ዕረፍቲ ይኹን።+ 40 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ፍረ ብሉጽ ኣእዋም፡ ማለት ጨናፍር ኣእዋም ስየን+ ጨናፍር ልሙዕ ኣእዋምን ኣእዋም ዓራባ ስንጭሮን* ወሲድኩም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ሸውዓተ መዓልቲ+ ተሓጐሱ።+ 41 ነዚ ኣብ ዓመት ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ኣብዕልዎ።+ ንውሉድ ወለዶኹም ከም ናይ ሓዋሩ ሕጊ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ። 42 ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ።+ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዅሎም ኣብ ዳስ ይቀመጡ፣ 43 እዚ ኸኣ፡ ኣነ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከለኹ፡ ኣብ ዳስ ከም ዘቐመጥክዎም+ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኺፈልጡ እዩ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’” 44 ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን በዓላት የሆዋ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም። 19 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 2 “ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ።+ 3 “‘ነፍሲ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቦኡን የኽብር፣*+ ሰናብተይ ከኣ ሓልዉ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 4 ናብ ከንቱ ኣማልኽቲ ኣይትኺዱ፡+ ወይ ንርእስኹም ኣማልኽቲ ፍሲ ኣይትግበሩ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 5 “‘ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ምስ እትስውኡ፡+ ተቐባልነት ከም እትረኽቡ ጌርኩም ሰውኡ።+ 6 በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽብሒታን ይበላዕ፣ እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ።+ 7 ገለ ኻብኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበሊዑ ግና፡ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ኣይቅቡልን እዩ። 8 እቲ ዝበልዐ፡ ነቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ። 9 “‘ዓጺድ ምድርኹም ክትዓጽዱ ኸለኹም፡ ንደረት ግራትካ ምሉእ ብምሉእ ኣይትዕጸዶ፣ ንቐሪም* ዓጺድካ እውን ኣይትእረዮ።+ 10 ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ንዝተረፈ ድማ ኣይትኣክቦ፡ ወይ ካብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ንዝወደቐ ኣይትእረዮ። ንድኻን* ንጓናን ደኣ ሕደጎ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 11 “‘ኣይትስረቑ፡+ ኣይተታልሉ፡+ ንሓድሕድኩም ከኣ ኣይትተሓሳሰዉ። 12 ንስም ኣምላኽካ ምእንቲ ኸይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶት ኣይትምሓሉ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 13 ንብጻይካ ኣይትዓምጾ፡+ ኣይትዝመቶ።+ ውዕለት ወዓላይ ድማ ክሳዕ ንግሆ ምሳኻ ኣይሕደር።+ 14 “‘ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ወይ ኣብ ቅድሚ ዕዉር መዐንቀፊ ኣይተንብር፣+ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 15 “‘ብፍርድኹም ኣይትዓምጹ። ንድኻ ኣይተዳሉ፡ ወይ ንሃብታም ኣብሊጽካ ኣይትርአ።+ ንብጻይካ ብፍትሒ ፍረዶ። 16 “‘ሕሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣብ መንጎ ህዝብኻ ኣይትዙር።+ ኣብ ልዕሊ ህይወት* ብጻይካ ኣይትለዓል።*+ ኣነ የሆዋ እየ። 17 “‘ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ።+ ምስኡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትጸውር፡ ንብጻይካ ግንሓዮ።+ 18 “‘ኣብ ልዕሊ ደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን+ ኣይትቀየምን፣ ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 19 “‘ሕግታተይ ሓልዉ፦ ክልተ ዓይነት እንስሳ ዘቤት ኣይተዳቕል። ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ።+ ብኽልተ ዓይነት ፈትሊ ተሓዋዊሱ እተሰርሐ ኽዳን ከኣ ኣይትከደን።+ 20 “‘ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቂሱ እሞ ምስኣ ብስጋ እንተ ተራኺቡ፡ ንሳ ድማ ንኻልእ እተሓጽየት ክነሳ ዘይተበጀወት ወይ ሓራ ዘይወጸት ገረድ እንተ ዀይና፡ ይቀጽዑ። ግናኸ፡ ንሳ ሓራ ኣይነበረትን እሞ፡ ኣይቀተሉ። 21 ንሱ ኸኣ ንመስዋእቲ በደሉ ዚኸውን ድዑል መስዋእቲ በደል፡ ናብ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ።+ 22 ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ፡ እቲ ኻህን በቲ ንመስዋእቲ በደል ዚኸውን ድዑል ገይሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ። እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ከኣ ይቕረ ኺብሃለሉ እዩ። 23 “‘ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዝዀነ ዓይነት ዚብላዕ ኦም ድማ ምስ ተኸልኩም፡ ነቲ ፍሪኡ ኸም ዘይንጹህን ክልኩልን* ጌርኩም ርኣይዎ። ሰለስተ ዓመት ክልኩል* ይኹነልኩም፡ ኣይበላዕ። 24 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ግና፡ ብዘሎ ፍሪኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምሕጓስ ይቀደስ።+ 25 ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ከኣ፡ ፍሪኡ ብልዑ፣ በዚሑ ድማ ኪፈርየልኩም እዩ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 26 “‘ገለ እኳ ምስ ደሙ ኣይትብልዑ።+ “‘ፋል ወይ ስሒር ኣይትግበሩ።+ 27 “‘ጭሕሚ ጕንዲ እዝንኹም ኣይትላጽዩ፡* ወይ ወሰነ ወሰን ጭሕምኻ ኣይትጸይቕ።+ 28 “‘ብዛዕባ ምዉት ሰብ፡* ስጋኹም ኣይትብጥሑ፣+ ኣብ ሰብነትኩም ከኣ ውቃጦ ኣይትግበሩ። ኣነ የሆዋ እየ። 29 “‘እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትምንዝርን ብንውርምና ምእንቲ ኸይትመልእን፡+ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ።+ 30 “‘ሰናብተይ ሓልዉ፡+ ንመቕደሰይ ከኣ ኣኽብሩ።* ኣነ የሆዋ እየ። 31 “‘ብኣታቶም ምእንቲ ኸይትረክስ፡ ናብ ጠየቕቲ መናፍስቲ ኣይትኺዱ፡+ ንጠንቈልቲ ድማ ኣይትሕተቱ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 32 “‘ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡+ ንኣረጋዊ ኣኽብሮ፡+ ንኣምላኽካ እውን ፍርሃዮ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 33 “‘ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ምድርኹም እንተ ተቐሚጡ፡ ኣይትግፍዕዎ።+ 34 ንስኻትኩም ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡+ እቲ ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ኣብ መንጎኹም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡+ ከም ነፍስኻ ኸኣ ኣፍቅሮ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 35 “‘ንውሓት፡ ክብደት፡ ወይ ስፍሪ ኽትዕቅኑ ኸለኹም፡ ዘይቅኑዕ መዐቀኒ ኣይትጠቐሙ።+ 36 ልክዕ ሚዛንን ልክዕ መምዘንን ልክዕ መስፈር እኽልን* ልክዕ መስፈር ፈሳስን* ተጠቐሙ።+ ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 37 ኵሉ ሕግታተይን ኵሉ ፍርድታተይን ሓልዉን ስዓቡን።+ ኣነ የሆዋ እየ።’” 20 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ካብ እስራኤላውያን ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚቕመጡ ጓኖት፡ ዘርኡ ንሞሌኽ ዚህብ ዘበለ፡ ብርግጽ ይቀተል።+ ህዝቢ እታ ምድሪ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። 3 ካብ ዘርኡ ንሞሌኽ ብምሃብ ንመቕደሰይ ኣርኪሱን+ ንቕዱስ ስመይ ኣሕሲሩን እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቍሶ እየ። 4 እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሌኽ ኪህብ ከሎ፡ ህዝቢ እታ ምድሪ ዀነ ኢሎም ኣዒንቶም እንተ ዓሚቶምን እንተ ዘይቀቲሎምዎን፡+ 5 ሽዑ ኣነ ነቲ ሰብኣይን ንቤተ ሰቡን ብርግጽ ገጸይ ናባታቶም ገይረ ኽጻረሮም እየ።+ ነቲ ሰብኣይ ምስ ኵሎም እቶም ምስኡ ሓቢሮም ምስ ሞሌኽ ዝመንዘሩ ኻብ ህዝቡ ኽምንቍሶ እየ። 6 “‘ምሳታቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምንዝር ኢሉ ናብ ጠየቕቲ መናፍስትን+ ናብ ጠንቈልትን+ ንዚምለስ ሰብ፡* ነቲ ሰብ* እቲ ብርግጽ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ፡ ካብ ህዝቡ ኸኣ ክምንቍሶ እየ።+ 7 “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱን ቅዱሳት ኩኑን።+ 8 ሕግታተይ ሓልዉ፡ ግበርዎ እውን።+ ዝቕድሰኩም ኣነ የሆዋ እየ።+ 9 “‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዚረግም ዘበለ ሰብ ብርግጽ ይቀተል።+ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ። 10 “‘ምስ ሰበይቲ ኻልእ ብዛዕባ ዝዘመወ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዘማውን እታ ዘማዊትን ብርግጽ ይቀተሉ።+ 11 ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ ሰብኣይ፡ ንኣቦኡ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ እሞ፡+ ክልቲኦም ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ። 12 ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ወዱ እንተ ደቂሱ፡ ክልቲኦም ብርግጽ ይቀተሉ። እዚ ዘይባህርያዊ እዩ። ደሞም ከኣ ኣብ ርእሶም እዩ።+ 13 “‘ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ገይሩ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቂሱ፡ ክልቲኦም ፍንፉን ነገር ገይሮም እዮም እሞ፡+ ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ። 14 “‘ሰብኣይ ንሰበይቲ ምስ ኣዲኣ እንተ ኣእትዩ፡ እዚ ጽያፍ* እዩ።+ እዚ ጽያፍ እዚ ኣብ መንጎኹም ምእንቲ ኸይቅጽል፡ ንዕኡን ንዓታተንን ብሓዊ የንድድዎም።+ 15 “‘ሰብኣይ ምስ እንስሳ ብስጋ እንተ ተራኺቡ፡ ብርግጽ ይቀተል፣ ነታ እንስሳ እውን ቅተልዋ።+ 16 ሰበይቲ ምስኡ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ናብ እንስሳ እንተ ቐሪባ፡+ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፣ ብርግጽ ይቀተሉ። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ። 17 “‘ሰብኣይ ምስ ሓብቱ፡ ማለት ምስ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡ ዕርቃና ኸኣ እንተ ርእዩ፡ ንሳ እውን ዕርቃኑ እንተ ርእያ፡ እዚ ነውሪ እዩ።+ ካብ ቅድሚ ኣዒንቲ ደቂ ህዝቦም ይመንቈሱ። ንሓብቱ ንሕፍረት ኣቃሊዕዋ* እዩ እሞ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ይኹን። 18 “‘ሰብኣይ ብጻግኒኣ ምስ ዘላ ሰበይቲ ደቂሱ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡ ንሱን ንሳን ምፍሳስ ደማ ቐሊዖም እዮም እሞ፡+ ክልቲኦም ካብ መንጎ ህዝቦም ይመንቈሱ። 19 “‘ንቐረባ ዘመድካ ንሕፍረት ምቅላዕ እዩ እሞ፡ ምስ ሓትኖኻ ወይ ምስ ኣሞኻ ጾታዊ ርክብ ኣይትግበር።+ እዚኣቶም ብስሕተቶም ተሓተትቲ ይኹኑ። 20 ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ ዚድቅስ ሰብኣይ ንሓው ኣቦኡ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ።+ እዚኣቶም ብሓጢኣቶም ተሓተትቲ ይኹኑ። ሓድጊ ዘይብሎም ይሙቱ። 21 ሰብኣይ ሰበይቲ ሓው እንተ ኣእትዩ፡ እዚ ፍንፉን እዩ።+ ንሓዉ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ* እዩ እሞ፡ ሓድጊ ዘይብሎም ይኹኑ። 22 “‘እታ ኽትቅመጡላ ኢለ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ምእንቲ ኸይትተፍኣኩም፡+ ኵሉ ሕግታተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፡+ ግበርዎ እውን።+ 23 ብሕግታት እቶም ካብ ቅድሜኹም ዝሰጕጎም ኣህዛብ ኣይትመላለሱ፣+ ከመይሲ፡ እዚ ዅሉ ገይሮም እዮም፡ ኣነ እውን እፍንፍኖም እየ።+ 24 ስለዚ፡ “ምድሮም ክትርስተዩ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸኣ ርስትኹም ገይረ ኽህበኩም እየ።+ ኣነ ኻብ ኣህዛብ ዝፈለኹኹም የሆዋ ኣምላኽኩም እየ” በልኩኹም።+ 25 ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዑፍ ፍለዩ።+ በቲ ኸም ርኹስ ክትርእይዎ ኢለ ዝፈለኹልኩም እንስሳ ወይ ዑፍ ወይ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ርእስኹም* ኣይተፈንፍኑ።+ 26 ኣነ የሆዋ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይ።+ ናተይ ክትኰኑ ድማ ካብ ህዝብታት እፈልየኩም ኣለኹ።+ 27 “‘ጠያቒ መናፍስቲ ወይ ጠንቋሊ* ዝዀነ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብርግጽ ይቀተል።+ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎም። ደሞም ኣብ ርእሶም እዩ።’” 3 “‘መስዋእቱ መስዋእቲ ሕብረት*+ እንተ ዀይኑ እሞ፡ ካብ ከብቲ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ እንተ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥዑይ የቕርብ። 2 ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ መስዋእቱ የንብር፣ እቲ መስዋእቲ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይተሓረድ። ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ። 3 ገለ ኻብቲ መስዋእቲ ሕብረት፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን የቕርበሉ፦+ እዚ ኸኣ እቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ንኣምዑት ዚኸብቦ ስብሕን+ 4 ክልቲአን ኵሊት ምስቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ ምስተን ኰላሊት እውን ይፍለ።+ 5 ደቂ ኣሮን ድማ ኣብቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ ንዚሓርር መስዋእቲ የሕርርዎ፣+ እዚ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።+ 6 “‘እቲ ንየሆዋ ንመስዋእቲ ሕብረት ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ዀይኑ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፡ ጥዑይ የቕርብ።+ 7 ንመስዋእቱ ገንሸል* እንተ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦ። 8 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ መስዋእቱ የንብር፣ እቲ መስዋእቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይተሓረድ። ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ። 9 ንስብሒ እቲ መስዋእቲ ሕብረት፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን የቕርቦ።+ ነቲ ኣብ ጥቓ ቐራጺቶ ዘሎ ዀልኰል ብምሉኡን እቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ንኣምዑት ዚኸብቦ ስብሕን ይፍለ፣ 10 ንኽልቲአን ኵሊት ምስቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሒ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ ምስተን ኰላሊት እውን ይፍለ።+ 11 እቲ ኻህን ድማ ኣብቲ መሰውኢ እንጌራ* ኪኸውን የሕርሮ፣ እዚ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።+ 12 “‘መስዋእቱ ጤል እንተ ዀይና፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርባ። 13 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ የንብር፣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ትተሓረድ። ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደማ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ። 14 እቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ዜቕርቦ ኽፋል፡ እቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ኵሉ እቲ ንኣምዑት ዚኸብቦ ስብሕን+ 15 ክልቲአን ኵሊትን ምስቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን እዩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ ምስተን ኰላሊት እውን ይፍለ። 16 እቲ ኻህን ድማ ኣብቲ መሰውኢ ምግቢ* ኪኸውን የሕርሮ፣ እዚ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ። ኵሉ ስብሒ ናይ የሆዋ እዩ።+ 17 “‘እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን፦ ስብሒ ዘበለ ወይ ደም+ ዘበለ ኣይትብልዑ።’” 24 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “እቲ ቐነዲል ወትሩ ምእንቲ ኺበርህ፡ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ እተጐድአ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካ፡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም።+ 3 ኣሮን ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ምስክር፡ እቲ ቐነዲል ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ወትሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺውላዕ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን። 4 ነቲ ቐነዲል ኣብቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዴል+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ የዳልዎ። 5 “ድኹም ሓርጭ ወሲድካ 12 ዓንኬላዊ ቕጫ ሰንክት። ንሓደ ቕጫ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ይኹን። 6 ኣብቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ ሰደቓ ድማ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ በብሽዱሽተ ደራሪብካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ።+ 7 ኣብ ለልዕሊ እቲ መስርዕ ጽሩይ ጻዕዳ ዕጣን ኣንብር፣ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ዚኸውን እንጌራ ኸኣ ኪኸውን እዩ። 8 ሰንበት ሰንበት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ወትሩ የዳልዎ።+ እዚ ንእስራኤላውያን ናይ ሓዋሩ ኺዳን እዩ። 9 ናይ ኣሮንን ናይ ደቁን ከኣ ይኹን፣+ ካብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ንዕኡ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዀይኖም ይብልዕዎ።+ እዚ ናይ ሓዋሩ ስርዓት እዩ።” 10 ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ድማ፡ ሓደ ወዲ እስራኤላዊት ሰበይትን ግብጻዊ ሰብኣይን ነበረ፣+ ንሱን ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ከኣ ኣብ ሰፈር ተባእሱ። 11 ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ፡ ነቲ ስም* ጸረፈን ረገመን።+ ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ።+ ኣዲኡ ኸኣ ሸሎሚት፡ ጓል ዲብሪ ኻብ ነገድ ዳን ነበረት። 12 ውሳነ የሆዋ ክሳዕ ዚግለጸሎም ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጽንሕዎ።+ 13 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 14 “ነቲ ዝረገመ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፣ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሱ የንብሩ፣ ድሕሪኡ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ።+ 15 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ እንተ ረጊሙ፡ ብሓጢኣቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። 16 ስለዚ፡ እቲ ስም የሆዋ ዚጸርፍ፡ ብርግጽ ይቀተል።+ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ብርግጽ ይቕተሎ። ጓና ዀነ ወዲ ዓዲ፡ ስም ኣምላኽ ዚጸርፍ ይቀተል። 17 “‘ሰብ፡ ህይወት ሰብ ምስ ዚቐትል፡* ብርግጽ ይቀተል።+ 18 እንስሳ ዘቤት ወቒዑ ዝቐተለ፡* ኣብ ክንዲ ህይወት፡ ህይወት* ይኽሓስ። 19 ሰብ ንብጻዩ ምስ ዚጐድኦ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይገበር።+ 20 ኣብ ክንዲ መስበርቲ፡ መስበርቲ፣ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ይገበር።+ 21 እንስሳ ወቒዑ ዝቐተለ፡ ይኽሓስ፣+ ሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ግና፡ ይቀተል።+ 22 “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ዀነ ንወዲ ዓዲ፡+ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም።’” 23 ሙሴ ኸኣ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝረገመ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 7 “‘ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዚ እዩ፦+ ንሱ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ። 2 ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሓርዱላ ቦታ ይሕረድዎ፣ ደሙ+ ኸኣ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይነጸግ።+ 3 ኵሉ ስብሑ፡+ እንተላይ ኰልኰሉን ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን 4 ክልቲአን ኵሊት ምስቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን የቕርቦ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ ምስተን ኰላሊት እውን ይፍለ።+ 5 እቲ ኻህን ከኣ ነዚ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ።+ ንሱ መስዋእቲ በደል እዩ። 6 ካህን ዝዀነ ዅሉ ተባዕታይ ይብልዓዮ፣+ ኣብ ቅዱስ ቦታ ድማ ይበላዕ። ንሱ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 7 እቲ ሕጊ መስዋእቲ በደል፡ ከም ሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ፣ ናይቲ ብእኡ ዜተዓርቕ ካህን እዩ።+ 8 “‘እቲ ኻህን ምእንቲ ሓደ ሰብ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርብ ከሎ፡ ቈርበት+ እቲ ናብቲ ኻህን ዝቐረበ ዚሓርር መስዋእቲ ናቱ ይኹን። 9 “‘ኵሉ እቲ ኣብ እቶን ዚስንከት፡ ወይ ከኣ ኣብ ድስቲ ወይ ኣብ መቕሎ ዚዳሎ መስዋእቲ እኽሊ+ ናይቲ ዜቕርቦ ኻህን እዩ። ናቱ ይኹን።+ 10 ኵሉ እቲ ብዘይቲ እተቘምጥዐ+ ወይ ንቑጽ+ መስዋእቲ ብልዒ ግና ንደቂ ኣሮን ይኹን፣ ነፍሲ ወከፎም ማዕረ ግደ ይሃልዎም። 11 “‘ሕጊ እቲ ንየሆዋ ዚቐርብ መስዋእቲ ሕብረት+ ድማ እዚ እዩ፦ 12 መግለጺ ምስጋና ኪኸውን እንተ ኣቕሪብዎ፡+ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫታትን ዘይቲ እተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐን እተለውሰን ዓንኬላዊ ቕጫታትን የቕርብ። 13 ነቲ መስዋእቱ ምስ ዝበዅዐ ዓንኬላዊ እንጌራን ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና ዝዀነ መስዋእቲ ሕብረቱን የቕርቦ። 14 ካብ ኵሉ እዚ መስዋእትታት እዚ ሓሓደ ቕዱስ ግደ ንየሆዋ የቕርበሉ፣ እዚ ናይቲ ደም መስዋእቲ ሕብረት ዚነጽግ ካህን እዩ።+ 15 ስጋ እቲ መስዋእቲ ምስጋና ዝዀነ ናይ ሕብረት መስዋእቱ፡ በታ ዚስውኣላ መዓልቲ ይበላዕ። ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣየትርፍ።+ 16 “‘እቲ ዜቕርቦ መስዋእቱ ናይ መብጽዓ+ ወይ ናይ መስዋእቲ ፍታው+ እንተ ዀይኑ፡ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፣ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ እውን ንጽብሒቱ ይበላዕ። 17 ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና፡ ብሓዊ ይንደድ።+ 18 ግናኸ፡ ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ሕብረቱ ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበሊዑ፡ እቲ ዜቕርቦ ተቐባልነት ኣይኪህልዎን እዩ፣ ኣይኪቝጸረሉን ድማ እዩ። ፍንፉን እዩ እሞ፡ እቲ ኻብኡ ዝበልዐ ሰብ* ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።+ 19 ርኹስ ዘበለ ዝተንከዮ ስጋ ድማ ኣይበላዕ፣ ብሓዊ ደኣ ይንደድ። ንጹህ ዘበለ ዅሉ፡ ነቲ ንጹህ ስጋ ይብልዓዮ። 20 “‘ረኺሱ ኸሎ ስጋ እቲ ንየሆዋ ዝዀነ መስዋእቲ ሕብረት ዝበልዐ ሰብ፡* እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።+ 21 ሓደ ሰብ* ርኹስ ዘበለ፡ ማለት ርኽሰት ሰብ+ ወይ ርኹስ እንስሳ፡+ ወይ ዝዀነ ጽዩፍ ርኽሰት+ እንተ ተንክዩ፡ ካብቲ ንየሆዋ ዝዀነ ስጋ መስዋእቲ ሕብረት ድማ እንተ በሊዑ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።’” 22 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 23 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናይ ብዕራይ ወይ ናይ ገንሸል* ወይ ናይ ጤል ስብሒ ዘበለ ኣይትብልዑ።+ 24 ስብሒ ሕሉቕን ስብሒ ብኣራዊት እተሰላልዐን ንዝዀነ ይኹን ካልእ ዕላማ ይውዓል እምበር፡ ከቶ ኣይትብልዕዎ።+ 25 ካብ ስብሒ እቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኢሉ ዘቕረቦ እንስሳ ዝበልዐ ዘበለስ፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ። 26 “‘ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ኸኣ፡ ናይ ኣዕዋፍ ኰነ፡ ወይ ናይ እንስሳታት ደም ዘበለ ኣይትብልዑ።+ 27 ደም ዝበልዐ ዘበለ ሰብ፡* ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።’”+ 28 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 29 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረቱ ዜቕርብ ዘበለ፡ ንገለ ኻብቲ መስዋእቲ ሕብረቱ ናብ የሆዋ የምጽኣዮ።+ 30 እቲ ስብሒ+ ምስቲ ሓኸለ፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን የምጽኣዮ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ይወዝውዞ።+ 31 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የሕርሮ፣+ እቲ ሓኸለ ግና ንኣሮንን ንደቁን ይኹን።+ 32 “‘ካብቲ ናይ ሕብረት መስዋእትኹም፡ የማነይቲ እግሪ ነቲ ኻህን ከም ቅዱስ ግደ ሃብዎ።+ 33 ነቲ ደም መስዋእቲ ሕብረትን ስብሕን ዜቕርብ ወዲ ኣሮን፡ የማነይቲ እግሪ ግዲኡ ትኹን።+ 34 ከመይሲ፡ ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን እግሪ ቕዱስ ግደን ካብ መስዋእቲ ሕብረት እስራኤላውያን ወሲደ፡ ንእስራኤላውያን ናይ ሓዋሩ ስርዓት ገይረ፡ ንኻህን ኣሮንን ንደቁን ሂበዮም ኣለኹ።+ 35 “‘እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ንኻህናት፡ ማለት ንኣሮንን ንደቁን፡ በታ ንየሆዋ ኻህናት ኪዀኑ ዚቐርቡላ መዓልቲ እተመደበሎም ግደ እዩ።+ 36 የሆዋ በታ እተቐብኡላ መዓልቲ እዚ ግደ እዚ ኻብ እስራኤላውያን ኪውሃቦም ኣዚዙ እዩ።+ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ።’” 37 ሕጊ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ ሓጢኣትን+ መስዋእቲ በደልን+ መስዋእቲ ሽመትን+ መስዋእቲ ሕብረትን+ እዚ እዩ። 38 እዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ፡ በታ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ሲና መስዋእቶም ንየሆዋ ኬቕርቡ ዝኣዘዘላ መዓልቲ፡+ ኣብ ከረን ሲና ዝኣዘዞ እዩ።+ 12 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰበይቲ እንተ ጠኒሳ፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወሊዳ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ርኽሰት ጻግኒኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ትረክስ።+ 3 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር።+ 4 ንዚቕጽል 33 መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ደም፡ ገዛእ ርእሳ ተንጽህ። መዓልትታት ንጽህናኣ ኽሳዕ ዚመልኣ ድማ ቅዱስ ዘበለ ኣይትተንኪ፡ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ። 5 “‘ጓል እንተ ወሊዳ፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ፡ 14 መዓልቲ ትረክስ። ንዚቕጽል 66 መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ደም፡ ገዛእ ርእሳ ተንጽህ። 6 ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ንጽህናኣ ምስ መልአት፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸል* ንዚሓርር መስዋእቲ፡+ ጫቚት ርግቢ ወይ ባሬቶ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን ተምጽእ። 7 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦ፡ የተዓርቃ ኸኣ፡ ካብ ምፍሳስ ደማ እውን ትነጽህ። ወዲ ወይ ጓል ንዝወለደት ዚኸውን ሕጊ እዚ እዩ። 8 ንበጊዕ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብላ ግና፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ፡+ ሓንቲ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ትውሰድ፣ እቲ ኻህን ድማ የተዓርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።’” 1 የሆዋ ድማ ንሙሴ ጸዊዑ፡ ካብ ድንኳን ምርኻብ+ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን* ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኻብ እንስሳታት ዘቤት መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ መስዋእትኹም ካብ ከብቲ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ ኣቕርቡ።+ 3 “‘እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ከብቲ እንተ ዀይኑ፡ ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ።+ ብፍታዉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡+ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ። 4 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ የንብሮ እሞ፡ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን። 5 “‘እቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ፣ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ፡+ ነቲ ደም የቕርብዎ፣ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።+ 6 እቲ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ቈርበቱ ተጠቢሑ፡ በብብልዕቱ ይቈራረጽ።+ 7 ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ፡ ኣብ መሰውኢ፡ ሓዊ ይእጐዱ፣+ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ፡ ዕንጨይቲ ይጸፍጽፉ። 8 ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ብልዕትታት እቲ መስዋእቲ+ ምስ ርእስን ምስ ስብሒ ዀላሊትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ ይስርዕዎ። 9 ኣምዑቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይተሓጸብ፣ እቲ ኻህን ከኣ ንዅሉ፡ ኣብቲ መሰውኢ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን የሕርሮ።+ 10 “‘እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ጤለ በጊዕ፡+ ካብ ገንሸላት* ወይ ካብ ኣጣል እንተ ዀይኑ፡ ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ።+ 11 ብሸነኽ ሰሜን እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ፣ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ።+ 12 ምስ ርእሱን ስብሒ ዀላሊቱን በብብልዕቱ ይቘራርጾ፣ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ ይስርዓዮ። 13 ኣምዑቱን ኣእጋሩን ድማ ብማይ ይሕጸቦ፣ እቲ ኻህን ከኣ ንዅሉ የቕርቦ፡ ኣብቲ መሰውኢ ድማ የሕርሮ። እዚ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ። 14 “‘እቲ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨቓዊት ርግቢ የቕርብ።+ 15 እቲ ኻህን ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ርእሱ ቐርጢፉ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ ደሙ ግና ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ የጽርሮ። 16 ለቘታ እኽሉ ምስ ከናቲቱ ፈልዩ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ፡ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ናብቲ ስፍራ ሓምዅሽቲ* ይደርብዮ።+ 17 ብኣኽናፉ ይጭደዶ፣ ግናኸ ኣይፈላልዮ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ የሕርሮ። እዚ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ። 8 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮን፡ ንደቁ ኸኣ ምስኡ፡+ ከምኡ ድማ ክዳውንትን+ ዘይቲ ቕብኣትን+ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክልተ ድዑልን መሶብ ቅጫን ውሰድ፣+ 3 ንዅሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣክቦ።” 4 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከበ። 5 ሙሴ ድማ ነቲ ኣኼባ፡ “እቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዝኣዘዘና እዚ እዩ” በለ። 6 ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም።+ 7 ወለል ዚብል ክዳን ኣልበሶ፡+ ቅናት ከኣ ኣቐነቶ፡+ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ድማ ከደኖ፡+ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኤፎድ ገበረሉ፡+ በቲ እሉም ዕጣቕ+ ኤፎድ ኣቐኒቱ ኸኣ ኣጸቢቑ ኣዕጠቖ። 8 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ልብሲ ኣፍ ልቢ+ ገበረሉ፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ልብሲ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቱሚምን+ ገበረሉ። 9 ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ+ ኣንበረሉ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ መጠምጠምያ ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ዜንጸባርቕ ቀጸላ ወርቂ፡ እቲ ቕዱስ ምልክት ተወፋይነት*+ ገበረሉ። 10 ሙሴ ድማ ነቲ ዘይቲ ቕብኣት ወሲዱ፡ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዝነበረ ዅሉን+ ቀብኦን ቀደሶን። 11 ካብኡ ኸኣ ናብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ሸውዓተ ሳዕ ነጸገ፣ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ። 12 ኣብ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣት ኣፍሰሰ፣ ምእንቲ ኪቕድሶ ድማ ቀብኦ።+ 13 ሙሴ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፡ ወለል ዚብል ክዳውንቲ ድማ ከደኖም፡ ቅናውቲ ኸኣ ኣቐነቶም፡ መዐመምያ እውን ገበረሎም።*+ 14 ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ።+ 15 ሙሴ ኸኣ ሓረዶ እሞ፡ ነቲ ደም+ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ለኸዮ፣ ነቲ መሰውኢ ኸኣ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሆ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ግና ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ፣ ኣብኡ ንምትዕራቕ ከኣ ቀደሶ። 16 ንዅሉ እቲ ኣብ ኣምዑት ዝነበረ ስብሕን ስብሒ ጸላም ከብድን ክልቲአን ኵሊት ምስ ስብሐንን ድማ ወሰደ፣ ሙሴ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።+ 17 ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን ከኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።+ 18 ነቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ድዑል ድማ ኣቕረቦ፣ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።+ 19 ሙሴ ድማ ሓሪዱ፡ ነቲ ደም ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ነጸጎ። 20 ነቲ ድዑል ከኣ በብብልዕቱ ቘራረጾ፣ ሙሴ ኸኣ ነቲ ርእስን ነቲ ቝርጽራጽን ነቲ ስብሒ ዀላሊትን ኣሕረሮ። 21 ነቲ ኣምዑትን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓጸቦ፣ ሙሴ ድማ ንብዘሎ እቲ ድዑል ኣብቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንሱ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ነበረ። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ነበረ። 22 ነቲ ኻልኣይ ድዑል፡ ነቲ ድዑል ሽመት ከኣ ኣቕረቦ፣+ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ።+ 23 ሙሴ ኸኣ ሓሪዱ፡ ካብ ደሙ ወሲዱ፡ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኒ ኣሮንን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸየ። 24 ሙሴ ድማ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፣ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ የማኖት መስቈር ኣእዛኖምን ዓበይቶ የማኖት ኣእዳዎምን ዓበይቶ የማኖት ኣእጋሮምን ለኸየ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ግና፡ ሙሴ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ነጸጎ።+ 25 ነቲ ስብሕን ነቲ ዀልኰልን ንዅሉ እቲ ኣብ ኣምዑት ዘሎ ስብሕን ነቲ ስብሒ ጸላም ከብድን ንኽልቲአን ኵሊት ምስ ስብሐንን ነታ የማነይቲ እግርን ድማ ወሰደ።+ 26 ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበረ መሶብ ቅጫ ኸኣ፡ ሓደ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫን+ ሓደ ዓንኬላዊ ቕጫ ዘይትን+ ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሰደ። ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ድማ ኣንበሮ። 27 እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ወዝወዞ። 28 ሙሴ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣሕረሮ። እዚ ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ ሽመት ነበረ። ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ነበረ። 29 ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ወዝወዞ።+ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብቲ ድዑል ሽመት፡ እዚ ግደ ሙሴ ዀነ።+ 30 ሙሴ ኸኣ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን+ ካብቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኽዳውንቱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኽዳውንቲ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ደቁን ነጸገ። በዚ ኸምዚ፡ ንኣሮንን ንኽዳውንቱን ንደቁን+ ንኽዳውንቶምን ቀደሰ።+ 31 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ ኣነ፡ ‘ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ’ ተባሂለ እተኣዘዝኩ፡+ ነቲ ስጋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብስልዎ+ እሞ፡ ምስቲ ኣብ መሶብ ሽመት ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ብልዕዎ። 32 ካብቲ ስጋን ካብቲ እንጌራን ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ።+ 33 ካህናት ኴንኩም ክትሽየሙ* ሸውዓተ መዓልቲ ስለ ዚወስድ፡ መዓልትታት ሽመትኩም ክሳዕ ዚመልኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።+ 34 ንምትዕራቕኩም ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዝገበርናዮ ኽንገብር፡ የሆዋ ኣዚዙ እዩ።+ 35 ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ሸውዓተ መዓልቲ፡ መዓልትን ለይትን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ጽንሑ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎኩም ግዴታ ኸኣ ፈጽሙ።”+ 36 ኣሮንን ደቁን ድማ ኵሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ነገር ገበሩ። 11 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘እትበልዕዎም ህያዋን ፍጡራት* ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦+ 3 ሸዀናኡ እተሰንጠቐን ሸዀናኡ እተመቕለን መጕስዕ ዚመልስን ዘበለ ብልዑ። 4 “‘ግናኸ፡ መጕስዕ ካብ ዚመልሱ ወይ ሸዀናኦም ካብ እተሰንጠቐ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፦ ገመል መጕስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተሰንጠቐን። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ።+ 5 ጊሐ+ ድማ መጕስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተሰንጠቐን። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ። 6 ማንቲለ ኸኣ መጕስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተሰንጠቐን። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ። 7 ሓሰማ+ ድማ ሸዀናኣ እተሰንጠቐን ሸዀናኣ እተመቕለን እያ፡ መጕስዕ ግና ኣይትመልስን እያ። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ። 8 ካብ ስጋአን ኣይትብልዑ፡ ገምበን እውን ኣይትተንክዩ። ንሳተን ንዓኻትኩም ርኹሳት እየን።+ 9 “‘ኣብ ማያት ካብ ዘሎ ዅሉ እዚ ብልዑ፦ ኣብ ማያት፡ ማለት ኣብ ባሕርታት ወይ ኣብ ኣፍላግ ካብ ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅርፍትን ዘለዎም ዘበለ ብልዑ።+ 10 ኣብ ማያት ካብ ዘለዉ ሓሰኽሰኽ ዚብሉን ካብ ኵሎም ህያዋን ፍጡራትን፡* ኣብ ባሕርታትን ኣብ ኣፍላግን ዚነብሩ ኽንፍን ቅርፍትን ዘይብሎም ዘበሉ ግና፡ ንዓኻትኩም ፍንፉናት እዮም። 11 እወ፡ ንዓኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፣ ካብ ስጋኦም ከኣ ኣይትብልዑ፡+ ንገምቦም እውን ፈንፍንዎ። 12 ኣብ ማያት ዘሎ ኽንፍን ቅርፍትን ዘይብሉ ዅሉ፡ ንዓኻትኩም ፍንፉን እዩ። 13 “‘ካብ በረርቲ ፍጡራት፡ ፍንፉናት ብምዃኖም እትፍንፍንዎም እሞ ዘይብልዑ እዚኣቶም እዮም፦ ንስሪ፡+ ወሓጥ ዓሳ፡ ጸሊም ጉማ፡+ 14 ጉዛ፡ ሊሎ በብዓይነቱ፡ 15 ኳዅ በብዓይነቱ፡ 16 ሰገን፡ ጕንጓ፡ ሮብራ፡ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ፡ 17 ንእሽቶ ጕንጓ፡ ኮርሞራንት፡ ነዊሕ ዝእዝኑ ጕንጓ፡ 18 ደርሆ ማይ፡ ሓሓት፡ ጉማ፡ 19 ራዛ፡ ሰብ ጸራድ በብዓይነቱ፡ ኩምብራዛ፡ መንካዕ። 20 ብኣርባዕተ መሓውሩ ዚኸይድ ክንፊ ዘለዎ ዅሉ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር፡* ንዓኻትኩም ፍንፉን እዩ። 21 “‘ብኣርባዕተ መሓውሮም ካብ ዚኸዱ ኽንፊ ዘለዎም ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ፍጡራት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚኸዱሉ ኣእጋሮም መላግቦ ዘለዎ ኣብ ምድሪ ዚነጥሩሉ ኣእጋር ዘለዎም ጥራይ ብልዑ። 22 ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፦ በብዓይነቶም ዚፈልሱ ኣንበጣን ካልኦት ዚብልዑ ኣንበጣን+ ዕንጭራርን ጐደበን። 23 ኣርባዕተ ዝመሓውሩ ዅሉ ኽንፊ ዘለዎ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር፡ ንዓኻትኩም ፍንፉን እዩ። 24 በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ዅሉ፡ ክሳዕ ምሸት ይረክስ።+ 25 ገምቦም ዚጸውር ዘበለ ዅሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፣+ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። 26 “‘ኵሉ ሸዀናኡ እተሰንጠቐ፡ ግናኸ ዘይተመቕለን መጕስዕ ዘይመልስን፡ ንዓኻትኩም ርኹስ እዩ። ዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ይረክስ።+ 27 ብኣርባዕተ መሓውሮም ካብ ዚኸዱ ፍጡራት፡ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድ ዘበለ ዅሉ፡ ንዓኻትኩም ርኹስ እዩ። ገምቦም ዚትንኪ ዘበለ ዅሉ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። 28 ገምቦም ዚጸውር ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፣+ ክሳዕ ምሸት እውን ይረክስ።+ እዚኣቶም ንዓኻትኩም ርኹሳት እዮም። 29 “‘ንዓኻትኩም ርኹሳት ዝዀኑ ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ፍጡራት ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦ ፍልፈል፡ ኣንጭዋ፡+ ጠበቕ በብዓይነቱ፡ 30 ጥፍንቕ፡ ዓብዪ ጠበቕ፡ ጠበቕ ማይ፡ ሓማት ተመን፡ ነፋሒቶ። 31 እዞም ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ፍጡራት ንዓኻትኩም ርኹሳት እዮም።+ ገምቦም ዚትንኪ ዘበለ ዅሉ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ።+ 32 “‘ምስ ሞቱ ዚወድቅዎ ዘበለ ዅሉ፡ ኣቕሓ ዕንጨይቲ ዀነ፡ ክዳን ኰነ፡ ቈርበት ኰነ፡ ወይ ማቕ ይረክስ። ዚዕየዮ ዘበለ ኣቕሓ ኣብ ማይ ይተኣለኽ፣ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ። 33 ዚወድቅዎ ዘበለ ኣቕሓ መሬት ኵሉ ኸኣ፡ ስበርዎ፣ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ድማ ይረክስ።+ 34 ካብ ከምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዝመጸ ማይ ዝኣተዎ ምግቢ ይረክስ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዘሎ ዅሉ ዚስተ መስተ እውን ይረክስ። 35 ገምቦም ዝወደቖ ዘበለ ዅሉ ይረክስ። እቶን ኰነ ወይ ምድጃ ይሰበር። ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንዓኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። 36 ዓይኒ ማይን ማይ ዚዕቈረሉ ሓጽብን ጥራይ ንጹህ ይኹን፣ ገምቦም ዚትንኪ ዘበለ ዅሉ ግና ይረክስ። 37 ገምቦም ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወዲቑ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 38 ኣብ ልዕሊ ዘርኢ፡ ማይ እንተ ተገይሩ እሞ፡ ገለ ኻብ ገምቦም እንተ ወዲቕዎ፡ እቲ ዘርኢ ንዓኻትኩም ርኹስ እዩ። 39 “‘ንምግቢ ዚዀነኩም እንስሳ እንተ ሓሊቑ፡ ገምቡ ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ።+ 40 ካብቲ ገምቡ ዝበልዐ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ።+ ነቲ ገምቡ ዝጾረ ኸኣ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። 41 ኵሉ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር ፍንፉን እዩ፣+ ኣይበላዕ። 42 ብኸብዱ ዚንፈሓዅ ዘበለ ፍጡርን ብኣርባዕተ እግሩ ዚኸይድ ዘበለ ፍጡርን ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎም ኣብ ምድሪ ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ዘበሉ ፍጡራት፡ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም።+ 43 ሓሰኽሰኽ ብዚብል ዘበለ ፍጡር ርእስኹም* ኣይተፈንፍኑ፣ ብኣታቶም ድማ ርእስኹም ኣይተርክሱ፡ ዘይንጹሃት እውን ኣይትኹኑ።+ 44 ኣነስ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ፣+ ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡+ ተቐደሱን ቅዱሳት ኩኑን።+ ኣብ ምድሪ ብዚንቀሳቐስ ኵሉ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር ርእስኹም* ኣይተርክሱ። 45 ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ መሪሐ ዘደይበኩም ዘለኹስ ኣነ የሆዋ እየ፣+ ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡+ ቅዱሳት ኩኑ።+ 46 “‘ብዛዕባ እንስሳታትን ብዛዕባ በረርቲ ፍጡራትን ኣብ ማያት ውንጅርጅር ብዛዕባ ዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን* ኣብ ምድሪ ሓሰኽሰኽ ብዛዕባ ዚብል ኵሉ ፍጡርን፡* እቲ ሕጊ እዚ እዩ፣ 47 እዚ ድማ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብልዑን ዘይብልዑን ህያዋን ፍጡራት ምእንቲ ኽትፈልዩ እዩ።’”+ 2 “‘ሓደ ሰብ* ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ ምስ ዜቕርብ፡+ መስዋእቱ ኻብ ድኹም ሓርጭ ይኹን፣ ኣብኡ ኸኣ ዘይቲ የፍስሰሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጻዕዳ ዕጣን ይግበረሉ።+ 2 ናብ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ የምጽኣዮ፣ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጭን ካብቲ ዘይትን ኵሉ እቲ ጻዕዳ ዕጣኑን ዕማዅ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ኪኸውን፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ገይሩ የሕርሮ። 3 እቲ ኻብቲ መስዋእቲ እኽሊ ዝተረፈ ድማ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፣+ እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 4 “‘ኣብ እቶን እተሰንከተ መስዋእቲ እኽሊ ምስ እተቕርብ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫታት ወይ ዘይቲ እተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን።+ 5 “‘መስዋእትኻ ኣብ መቕሎ ኻብ እተሰንከተ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ዀይኑ፡+ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ይኹን። 6 ቈራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኣፍስሰሉ።+ ንሱ መስዋእቲ እኽሊ እዩ። 7 “‘መስዋእትኻ ኣብ ድስቲ እተገብረ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገበር። 8 ነቲ ኻብዚ እተገብረ መስዋእቲ እኽሊ ናብ የሆዋ ኣምጽኣዮ፣ ናብቲ ኻህን ድማ ይቕረብ፣ ንሱ ኸኣ ናብቲ መሰውኢ የቕርቦ። 9 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ዚኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ እዚ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።+ 10 እቲ ኻብቲ መስዋእቲ እኽሊ ዝተረፈ ድማ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፣ እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 11 “‘ካብ መባዅዕቲ ወይ ካብ መዓር ገለ እኳ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኸተሕርሩ ስለ ዘይግባእ፡ እቲ ንየሆዋ እተቕርብዎ መስዋእቲ እኽሊ ብኹዕ ኣይኹን።+ 12 “‘መስዋእቲ በዅሪ ፍረ ኪኸውን ናብ የሆዋ ኣቕርብዎ፣+ ግናኸ፡ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ ኣይገበር። 13 “‘ንዅሉ እቲ እትስውኦ መስዋእቲ እኽሊ፡ ጨው ግበረሉ፣ ካብቲ መስዋእቲ እኽልኻ ኸኣ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፍ። ምስ ኵሉ መስዋእትኻ ጨው ኣቕርብ።+ 14 “‘ካብ በዅሪ ፍረኻ ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ እንተ ኣቕሪብካ፡ ካብ በዅሪ ፍረኻ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት፡ እተዃእኵአ ሓድሽ እኽሊ፡ መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ኣቕርብ።+ 15 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኽዓወሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጻዕዳ ዕጣን ግበረሉ። ንሱ መስዋእቲ እኽሊ እዩ። 16 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ዅእኩእን ካብቲ ዘይትን ምስ ኵሉ ጻዕዳ ዕጣኑ ወሲዱ፡ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ*+ ኪኸውን የሕርሮ፣ እዚ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ። 26 “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ከንቱ ኣማልኽቲ ንዓኻትኩም ኣይትግበሩ፣+ ጽሩብ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ኣምልኾ እውን ንዓኻትኩም ኣይተቝሙ፣+ ክትሰግዱሉ ኢልኩም+ ድማ ቅሩጽ እምኒ ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።+ 2 ሰናብተይ ሓልዉ፡ ንመቕደሰይ ከኣ ኣኽብሩ።* ኣነ የሆዋ እየ። 3 “‘ብሕግታተይ እንተ ተመላሊስኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሊኹምን እንተ ጌርኩምዎን፡+ 4 ዝናም ብግዜኡ ኽህበኩም እየ፣+ ምድሪ ኸኣ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣+ ኣእዋም መሮር እውን ፍሪኡ ኺህብ እዩ። 5 ወቕቲ መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይንኹም፡ ምቕንጣብ ወይኒ ድማ ክሳዕ ወቕቲ ምዝራእ ኪበጽሕ እዩ፣ ክሳዕ እትጸግቡ እንጌራኹም ክትበልዑ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ብደሓን ክትቅመጡ ኢኹም።+ 6 ኣብታ ምድሪ ሰላም ክህብ እየ፣+ ማንም ከየፍረሃኩም ድማ ክትድቅሱ ኢኹም፣+ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጽንት እየ፡ ሰይፊ ውግእ ኸኣ ብምድርኹም ኣይኪሓልፍን እዩ። 7 ጸላእትኹም ክትሰጕጉ፡ ንሳቶም ድማ ብርግጽ ኣብ ቅድሜኹም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። "8 ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ን100 ኺሰጕጉ፡ 100 ኻባኻትኩም ከኣ ን10,000 ኪሰጕጉ እዮም፣ ጸላእትኹም ድማ ኣብ ቅድሜኹም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ " 9 “‘ኣብ ቅድመይ ሞገስ ክትረኽቡ ኢኹም፡* ከፍርየኩምን ከብዝሓኩምን ከኣ እየ።+ ኪዳነይ ድማ ምሳኻትኩም ከጽንዕ እየ።+ 10 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈረየ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ኸለኹም፡ ነቲ ሓድሽ ቦታ ምእንቲ ኽትረኽቡሉ ነቲ ነባር ከተውጽእዎ ኢኹም። 11 ማሕደረይ ኣብ ማእከልኩም ክገብር፡+ ኣነ* እውን ኣይክድርብየኩምን እየ። 12 ኣብ መንጎኹም ክመላለስ፡ ኣምላኽኩም ከኣ ክኸውን እየ፣+ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም።+ 13 ድሕሪ ደጊም ባሮቶም ምእንቲ ኸይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። ኣርዑትኩም ሰበርኩ፣ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱ* ኸኣ ገበርኩኹም። 14 “‘ግናኸ፡ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ወይ እዚ ዅሉ ትእዛዛት እንተ ዘይሓሊኹም፡+ 15 ሕግታተይ ድማ እንተ ነጺግኩም፡+ ኵሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኸይትሕልዉ ኸኣ ፍርድታተይ እንተ ፈንፊንኩም፡* ኪዳነይ ድማ እንተ ጥሒስኩም፡+ 16 ኣነ ኸኣ እዚ ኽገብረኩም እየ፣ ብጭንቂ፡ ከምኡ እውን ኣዒንቲ ብዜድክምን ህይወት* ብዜማስንን ዓባይ ሰዓልን ብርቱዕ ረስንን ክቐጽዓኩም እየ። ጸላእትኹም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ኽትዘርኡ ኢኹም።+ 17 ገጸይ ናባታትኩም ገይረ ኽጻረረኩም እየ፣ ብጸላእትኹም ድማ ክትሰዓሩ ኢኹም።+ እቶም ዚጸልእኹም ኪረግጹኹም እዮም፣+ ሓደ እኳ ኸይሰጐጐኩም ክትሃድሙ ኢኹም።+ 18 “‘በዚ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ። 19 ነቲ ነቓጽ ትዕቢትኩም ክሰብሮ፡ ሰማያትኩም ከም ሓጺን፡+ ምድርኹም ድማ ከም ነሓሲ ኽገብሮ እየ። 20 ምድርኹም ፍሪኣ ስለ ዘይትህብ፡+ ኣእዋም ምድርኹም ከኣ ስለ ዘይፈሪ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ኽትውድኡ ኢኹም። 21 “‘ገና እንተ ተጻሪርኩምንን ክትሰምዑኒ እንተ ዘይደሊኹምን፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ኽወቕዓኩም እየ። 22 ኣራዊት መሮር ክሰድደልኩም እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ደቅኹም ኪቐትሉ፡+ እንስሳታት ዘቤትኩም ኬጽንቱ፡ ቍጽርኹም ድማ ኬውሕዱ እዮም፣ መገድታትኩም ከኣ ኪባድም እዩ።+ 23 “‘ግናኸ፡ በዚ ነገር እዚ እንተ ዘይተኣሪምኩምለይ፡+ ንዓይ ብምጽራር ድማ እንተ ተመላሊስኩም፡ 24 ኣነ እውን ንዓኻትኩም ብምጽራር ክመላለስ እየ፣ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ከኣ ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ኽወቕዓኩም እየ። 25 ኪዳነይ ብምፍራስኩም ሕነ ዚፈዲ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኹም ኬምጽእ እየ።+ ኣብ ከተማታትኩም እንተ ተኣኪብኩም፡ ናብ ማእከልኩም ሕማም ክሰድድ እየ፡+ ናብ ኢድ ጸላኢ ድማ ክትውሃቡ ኢኹም።+ 26 ቀረብ* እንጌራኹም ምስ ኣጥፋእኩ፡+ ንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓንቲ እቶን ጥራይ ኪስንክታኦ፡ እንጌራኹም ከኣ ብሚዛን ተዓቂኑ ኺውሃበኩም እዩ፣+ በሊዕኩም ድማ ኣይክትጸግቡን ኢኹም።+ 27 “‘ግናኸ፡ በዚ ነገር እዚ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ንዓይ ብምጽራር ከኣ እንተ ተመላሊስኩም፡ 28 ኣበርቲዐ ኽጻረረኩም፡+ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ድማ ሸውዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ። 29 ስጋ ኣወዳትኩም ክትበልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም።+ 30 እተምልኹሉ በረኽትታትኩም ከጥፍእ፡+ መሰውኢ ዕጣንኩም ክቘርጽ፡ ሬሳታትኩም ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ጽዩፋት ጣኦታትኩም* ክጽፍጽፍ እየ፣+ ኣነ* ኸኣ ፈንፊነኩም ካባኻትኩም ክርሕቕ እየ።+ 31 ከተማታትኩም ንሰይፊ ኽህበን፡+ ንመቓድስኩም ድማ ከባድመን እየ። ጥዑም ጨና መስዋእትኹም ከኣ ኣይከጫኑን እየ። 32 ኣነ ባዕለይ ንምድርኹም ከባድማ እየ፣+ ኣብኣ ዚቕመጡ ጸላእትኹም ድማ ተገሪሞም ኪጥምትዋ እዮም።+ 33 ንዓኻትኩም ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም፡+ ደድሕሬኹም ድማ ሰይፊ ኽመልሕ እየ፣+ ምድርኹም ክትባድም፡+ ከተማታትኩም ከኣ ኪዓንዋ እየን። 34 “‘ሽዑ፡ እታ ምድሪ በቲ እትባድመሉ ዅሉ መዓልትታት፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ከለኹም፡ ሰናብታ ኽትከፍል እያ። ሽዑ፡ እታ ምድሪ ሰናብታ ኽትከፍል ስለ ዘለዋ፡ ክትዓርፍ* እያ።+ 35 ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትቅመጡ ኸለኹም፡ ብሰናብትኹም ስለ ዘይዓረፈት፡ ብዅሉ እቲ እትባድመሉ መዓልትታት ክትዓርፍ እያ። 36 “‘ነቶም ዝተረፉ ድማ፡+ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ንልቦም ብቕብጸት ክመልኦ እየ፣ ሓሸሽ ዚብል ደሃይ ቈጽሊ ኸኣ ኬህድሞም እዩ፣ ካብ ሰይፊ ኸም ዚሃድም ኪሃድሙ፡ ሓደ እኳ ኸይሰጐጎም ድማ ኪወድቁ እዮም።+ 37 ሓደ እኳ ከይሰጐጎም፡ ካብ ሰይፊ ከም ዚሃድሙ ዀይኖም፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኺዕንቀፉ እዮም። ንጸላእትኹም ምቅዋም ከኣ ኣይክትክእሉን ኢኹም።+ 38 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክትጠፍኡ ኢኹም፡+ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ክትውሕጠኩም እያ። 39 እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ፡ ብሰንኪ ስሕተቶም ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ኪምህምኑ እዮም።+ እወ፡ ብሰንኪ ስሕተት ኣቦታቶም ኪምህምኑ እዮም።+ 40 ሽዑ፡ ስሕተቶምን ስሕተትን ጥልመትን ኣቦታቶምን ኪናዘዙ፡+ ንዓይ እናተጻረሩ ብምምልላሶም ድማ ከም ዝጠለሙኒ ኺእመኑ እዮም።+ 41 ኣነ እውን ንዓታቶም ብምጽራር ክመላለስ፡+ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ከእትዎም እየ።+ “‘ሽዑ፡ እቲ ዘይግዙር* ልቦም ይትሕት ይኸውን፣+ ንስሕተቶም ከኣ ኪኸፍሉ እዮም። 42 ነቲ ምስ ያእቆብ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይን+ ምስ ይስሃቅ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይን+ ከኣ ክዝክር እየ፣ ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ+ እውን ክዝክር፡ ነታ ምድሪ ድማ ክዝክራ እየ። 43 ነታ ምድሪ ምስ ሓደግዋ፡ ንሳቶም ከየለዉ ባዲማ ኸላ ሰናብታ ኽትከፍል እያ፣+ ንሳቶም* ከኣ ንፍርድታተይ ነጺጎምዎን ንሕግታተይ ፈንፊኖምዎን እዮም እሞ፡ ብዛዕባ ስሕተቶም ኪኸፍሉ እዮም።+ 44 እዚ ዅሉ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ፡ ነቲ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ጥሒሰ፡+ ጠሪሰ ኣይክሓድጎምን፡+ ክሳዕ ዚጸንቱ ኸኣ ኣይክድርብዮምን እየ። 45 ነቲ ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ ምስቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም+ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን+ ክዝክረሎም እየ። ኣነ የሆዋ እየ።’” 46 እቲ የሆዋ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ብሙሴ ኣቢሉ ኣብ ከረን ሲና ዘቘሞ ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግታትን እዚ እዩ።+ 4 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሓደ ሰብ* ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ብምግባር ብዘይፍላጥ እንተ ሓጢኡ፦+ 3 “‘እቲ ቕቡእ ካህን+ እንተ ሓጢኡ+ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገይርዎ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣት ጥዑይ ዝራብዕ ንየሆዋ የቕርበሉ።+ 4 ነቲ ዝራብዕ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡+ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣምጺኡ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር እሞ፡ ነቲ ዝራብዕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይሕረዶ።+ 5 እቲ ቕቡእ ካህን+ ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ የእትዎ፣ 6 እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡+ ካብቲ ደም ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ።+ 7 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ደም ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይግበር።+ ንዅሉ ዝተረፈ ደም እቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ የፍስሶ።+ 8 “‘ካብቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ኵሉ ስብሒ፡ እንተላይ ነቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ነቲ ንኣምዑት ዚኸብቦ ስብሕን ይፍለ፣ 9 ንኽልቲአን ኵሊትን ነቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ እውን ምስተን ኰላሊት ይፍለ።+ 10 ከምቲ ኻብ ብዕራይ መስዋእቲ ሕብረት ዚፍለ ይኹን።+ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ የሕርሮ። 11 “‘ግናኸ፡ ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኵሉ ስጋኡን ምስ ርእሱን ኣእጋሩን ኣምዑቱን ፈርሱን፡+ 12 ንዅሉ እቲ ኻብቲ ዝራብዕ ዝተረፈ፡ ናብታ ሓምዅሽቲ* ዚጕሓፈላ ኣብ ወሰን ሰፈር እትርከብ ጽርይቲ ቦታ ኸም ዚውሰድ ይግበሮ፣ ኣብ ልዕሊ ዕንጨይቲ ገይሩ ድማ ብሓዊ የንድዶ።+ ኣብታ ሓምዅሽቲ ዚጕሓፈላ ይንደድ። 13 “‘ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዘይፍላጥ ብምሕጣኡ እንተ በዲሉ፡+ ግናኸ እቲ ጉባኤ ኻብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ምግባሩ እንተ ዘይፈሊጡ፡+ 14 እቲ ሓጢኣት ከኣ እንተ ተፈሊጡ፡ እቲ ጉባኤ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ የቕርብ፡ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከኣ የምጽኣዮ። 15 እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፣ እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ። 16 “‘እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። 17 እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ+ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ። 18 ካብቲ ደም ድማ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይልከ፣+ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ የፍስሶ።+ 19 ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ ካብኡ ፈልዩ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ።+ 20 ነቲ ዝራብዕ ከምቲ ነቲ ኻልእ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝገበሮ ይግበሮ። ነዚ ኸኣ ከምኡ ይግበሮ፣ እቲ ኻህን ድማ የተዓርቆም፡+ ይቕረ ኺብሃለሎም ከኣ እዩ። 21 ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ከም ዚውሰድ ይግበሮ እሞ፡ ከምቲ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ዘንደዶ፡ የንድዶ።+ እዚ ነቲ ጉባኤ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።+ 22 “‘ሓደ ሹም፡+ ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኹ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ብምግባሩ ብዘይፍላጥ እንተ ሓጢኡ እሞ፡ በዳሊ እንተ ዀይኑ፡ 23 ወይ ትእዛዝ ብምጥሓሱ ኸም ዝሓጥአ እንተ ተፈሊጥዎ፡ ንመስዋእቱ ሓደ ጥዑይ ወጠጦ የምጽእ። 24 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ወጠጦ የንብር፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሕረደላ ቦታ ኸኣ ይሕረዶ።+ ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 25 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ+ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይልከ፣ ነቲ ዝተረፈ ደሙ ኸኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ የፍስሶ።+ 26 ንዅሉ ስብሑ ድማ፡ ከምቲ ስብሒ መስዋእቲ ሕብረት፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣+ እቲ ኻህን ከኣ ብዛዕባ እቲ ሓጢኣቱ የተዓርቆ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ድማ እዩ። 27 “‘ሓደ* ኻብቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ብዘይፍላጥ እንተ ሓጢኡ፡ ካብቲ የሆዋ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ብምግባር ከኣ በዳሊ እንተ ዀይኑ፡+ 28 ወይ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት እንተ ተፈሊጥዎ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቱ፡ ጥዕይቲ ኣርሕዶ* የምጽእ። 29 ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፣ ነታ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ኣብታ ቦታ እቲኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሕረዳ።+ 30 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይልከ፣ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ የፍስሶ።+ 31 ከምቲ ስብሒ ኻብ መስዋእቲ ሕብረት ዚፍለ ድማ፡+ ኵሉ እቲ ስብሓ ይፍለ፣+ እቲ ኻህን ከኣ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ እቲ ኻህን ድማ የተዓርቆ፣ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸኣ እዩ። 32 “‘ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ሽበን* እንተ ኣምጺኡ ግና፡ ጥዕይቲ ሽበን የምጽእ። 33 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፣ ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሓርዱላ ቦታ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ።+ 34 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይልከ፣+ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደማ ኸኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ የፍስሶ። 35 ከምቲ ስብሒ ኻብ ገንሸል* መስዋእቲ ሕብረት ዚፍለ፡ ንዅሉ እቲ ስብሓ ይፍለ እሞ፡ እቲ ኻህን ኣብቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ፣+ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት የተዓርቆ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸኣ እዩ።+ 16 ድሕሪ ሞት እቶም ናብ የሆዋ ብምቕራቦም ዝሞቱ ኽልቲኦም ደቂ ኣሮን፡+ የሆዋ ንሙሴ ተዛረቦ። 2 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ ብደበና+ ኣብቲ መኽደኒ ኽርአ እየ እሞ፡+ ንሓውካ ኣሮን፡ ከይመውትሲ፡+ ናብቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ+ ዘሎ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደኒ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኸይኣቱ ንገሮ።+ 3 “ኣሮን ናብቲ መቕደስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡+ ንዚሓርር መስዋእቲ+ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ ይምጻእ። 4 ወለል ዚብል ቅዱስ በፍታ ይከደን፡+ ብስረ* በፍታ+ ድማ ንሰብነቱ* ይኽደን፡ ቅናት በፍታ+ ኸኣ ይተዓጠቕ፡ ርእሱ እውን ብመጠምጠምያ በፍታ+ ይጠምጥም። እዚ፡ ቅዱስ ክዳውንቲ እዩ።+ ብማይ ይተሓጸብ+ እሞ፡ ይልበሶ። 5 “ካብ ኣኼባ እስራኤላውያን+ ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክልተ ወጠጦ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ይውሰድ። 6 “ኣሮን ድማ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፣ ንርእሱን ንቤቱን ከኣ የተዓርቕ።+ 7 “ነቶም ክልተ ወጠጦ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም። 8 ኣሮን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ወጠጦ ዕጫ የውድቕ፣ እቲ ሓደ ዕጫ ንየሆዋ፡ እቲ ኻልኣይ ዕጫ ድማ ንዓዛዜል* ይኹን። 9 ኣሮን ከኣ ነቲ ብዕጫ ንየሆዋ ዝበጽሖ ወጠጦ የቕርቦ፡+ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ይሰውኣዮ። 10 እቲ ብዕጫ ንዓዛዜል ዝበጽሖ ወጠጦ ግና፡ ንዓዛዜል ናብ በረኻ ምእንቲ ኺስደድ፡ ብህይወቱ ኸሎ ንምትዕራቑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ይበል።+ 11 “ኣሮን ከኣ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፣ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዓርቕ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዶ።+ 12 “ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ+ ድማ በቲ መትሓዝ ሓዊ+ ገይሩ ጓህሪ መሊኡ ይውሰድ፣ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን+ ከኣ ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ፡ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ።+ 13 ከይመውትሲ፡ ነቲ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ ሓዊ ይግበሮ፣+ እቲ ደበና ዕጣን ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር+ ዘሎ መኽደን ታቦት የጐልብቦ።+ 14 “ካብ ደም+ እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደኒ ብሸነኽ ምብራቕ ብኣጻብዑ ይንጸግ፣ ካብቲ ደም ከኣ ብኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደኒ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ።+ 15 “ነቲ ምእንቲ ህዝቢ ዚኸውን ወጠጦ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ይሕረዶ፣+ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ፣+ በቲ ደሙ+ ድማ ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፣ ናብቲ መኽደንን ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደንን ይንጸግ። 16 “ብዛዕባ ርኽሰት እስራኤላውያንን ብዛዕባ ኣበሳኦምን ብዛዕባ ሓጢኣቶምን+ ነቲ መቕደስ የተዓርቆ፣ ነቲ ኣብ መንጎኦም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ። 17 “ኬተዓርቕ ኢሉ ናብቲ መቕደስ ካብ ዚኣትወሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ ሓደ እኳ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን። ንርእሱን ንቤቱን ንብዘሎ ጉባኤ እስራኤልን ከኣ የተዓርቕ።+ 18 “ናብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ+ ወጺኡ ኸኣ፡ ንዕኡ የተዓርቆ፣ ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ወጠጦን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይልከዮ። 19 ካብቲ ደም ከኣ ብኣጻብዑ ሸውዓተ ሳዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንጸግ፣ ካብ ርኽሰት እስራኤላውያን ድማ የንጽሃዮን ይቐድሶን። 20 “ነቲ መቕደስን ንድንኳን ምርኻብን ነቲ መሰውእን+ ኣተዓሪቑ ምስ ወድአ ኸኣ፡+ ነቲ ህያው ወጠጦ የቕርቦ።+ 21 ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኣእዳዉ ኣብ ርእሲ እቲ ህያው ወጠጦ የንብር እሞ፡ ኵሉ ስሕተት እስራኤላውያንን ኵሉ ኣበሳኦምን ኵሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ወጠጦ ኸኣ የንብሮ እሞ፡+ ብኢድ ሓደ ነዚ እተመደበ* ሰብኣይ ገይሩ ናብ በረኻ ይስደዶ። 22 እቲ ወጠጦ ኸኣ፡ ንዅሉ ስሕተቶም ኣብ ልዕሊኡ ናብ ምድረ በዳ ይጹሮ፣+ ነቲ ወጠጦ ድማ ናብ በረኻ ይስደዶ።+ 23 “ኣሮን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ይእቶ እሞ፡ ነቲ ናብቲ መቕደስ ኪኣቱ ኸሎ ዚኽደኖ ኽዳውንቲ በፍታ የውጽኣዮ፣ ኣብኡ ኸኣ ይሕደጎ። 24 ኣብ ቅዱስ ቦታ ድማ ሰብነቱ* ብማይ ይተሓጸብ፡+ ክዳውንቱ ኸኣ ይከደን፣+ ወጺኡ ድማ ነቲ ዚሓርር መስዋእቱን+ ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ እቲ ህዝብን+ ይሰውእ፡ ንርእሱን ነቲ ህዝብን ከኣ የተዓርቕ።+ 25 ንስብሒ እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ። 26 “እቲ ነቲ ወጠጦ ንዓዛዜል+ ዝሰደደ ኸኣ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ኸኣ ናብ ሰፈር ኪኣቱ ይኽእል እዩ። 27 “እቶም ደሞም ንምትዕራቕ ተባሂሉ ናብቲ መቕደስ ዝኣተወ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን ወጠጦ መስዋእቲ ሓጢኣትን ከኣ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ይወሰዱ፣ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ድማ ብሓዊ ይንደድ።+ 28 እቲ ዜንድዶም ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ኸኣ ናብ ሰፈር ኪኣቱ ይኽእል እዩ። 29 “እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም፦ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚቕመጥ ጓና፡ ርእስኹም ኣሕስሙ፡* ገለ ዕዮ እውን ኣይትዕየዩ።+ 30 በታ መዓልቲ እቲኣ ንጹሃት ምእንቲ ኽትብሃሉስ፡ ክትተዓረቑ ኢኹም።+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ክትነጽሁ ኢኹም።+ 31 ንዓኻትኩም ምሉእ ዕረፍቲ እተዕርፉላ ሰንበት እያ፣ ርእስኹም* ከኣ ኣሕስሙ።+ እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 32 “እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ+ ኻህን ኪኸውን እተቐብአን+ እተሸመን* ካህን+ የተዓርቕ፣ ነቲ ኽዳውንቲ በፍታ፡+ ነቲ ቕዱስ ክዳውንቲ ድማ ይከደን።+ 33 ነቲ ቕዱስ መቕደስን+ ንድንኳን ምርኻብን+ ነቲ መሰውእን+ ከኣ የተዓርቕ፣ ንኻህናትን ንዅሉ ህዝቢ እቲ ጉባኤን እውን የተዓርቕ።+ 34 ንእስራኤላውያን ካብ ኵሉ ሓጢኣቶም ሓንሳእ ኣብ ዓመት ንምትዕራቕ፡+ እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም።”+ ንሱ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ። 6 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ሓደ ሰብ* እንተ ሓጢኡ፡ ንየሆዋ ኸኣ እንተ ጠሊምዎ፡+ ማለት ብዛዕባ እቲ ብሕድሪ እተዋህቦ ወይ ምስኡ እተነብረ ነገር ንብጻዩ እንተ ኣታሊልዎ፡+ ወይ ንብጻዩ እንተ ዘሚትዎ ወይ እንተ ዓሚጽዎ፡ 3 ወይ ገለ ዝጠፍአ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ እንተ ኢሉ፡ ብሓደ ኻብዚ ዝገበሮ ሓጢኣት እዚ ድማ ብሓሶት እንተ ምሒሉ፡+ ከምዚ ይግበር፦ 4 ብምሕጣኡ በዳሊ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝሰረቖ፡ ወይ ነቲ ዝመንዝዖ፡ ወይ ነቲ ዓሚጹ ዝወሰዶ፡ ወይ ነቲ ሕድሪ እተዋህቦ፡ ወይ ነቲ ጠፊኡ ዝረኸቦ፡ 5 ወይ ነቲ ብዝዀነ ነገር ብሓሶት ዝመሓለሉ ይምለሶ፣ ምሉእ ብምሉእ ይኽሓስ፣+ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓምሻይ ኣፍ ይወስኸሉ። በታ በደሉ እተረጋገጸላ መዓልቲ፡ ንዋናኡ ይሃቦ። 6 ንመስዋእቲ በደል ድማ ካብ መጓሰ፡ ከምቲ እተገምገመሉ ጥዑይ ድዑል፡ ንየሆዋ ዚቐርብ መስዋእቲ በደሉ ኪኸውን፡ ናብ ካህን የምጽእ።+ 7 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ፣ እቲ በዳሊ ዝገበሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ ይቕረ ኺብሃለሉ እዩ።”+ 8 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 9 “ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘ሕጊ ዚሓርር መስዋእቲ እዚ እዩ፦+ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ እቶን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ንግሆ ይኹን፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ኣብቲ መሰውኢ ይንደድ። 10 እቲ ኻህን ወግዓዊ ኽዳን በፍታ ይከደን፣+ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ድማ ስረ* በፍታ ይግበር።+ ነቲ ኣብቲ መሰውኢ ኸሎ ሓዊ ዝበልዖ ሓምዅሽቲ*+ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ሓፊሱ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ የንብሮ። 11 ሽዑ፡ ክዳውንቱ ኣውጺኡ፡+ ካልእ ክዳውንቲ ይከደን፣ ነቲ ሓምዅሽቲ ኸኣ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር፡ ናብ ጽሩይ ቦታ ይውሰዶ።+ 12 እቲ ሓዊ ኣብቲ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ንግሆ ንግሆ ኣብ ልዕሊኡ ዕንጨይቲ የንድድ፣+ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሓርር መስዋእቲ ይስራዕ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ስብሒ መስዋእቲ ሕብረት የሕርር።+ 13 ሓዊ ወትሩ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። 14 “‘ሕጊ መስዋእቲ እኽሊ ድማ እዚ እዩ፦+ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ የቕርብዎ። 15 ሓዲኦም ካብቲ ድኹም ሓርጭ መስዋእቲ እኽልን ካብቲ ዘይቱን ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ እኽሊ ዘሎ ጻዕዳ ዕጣንን ዕማዅ ወሲዱ፡ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ* ገይሩ ኣብቲ መሰውኢ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን የሕርሮ።+ 16 ነቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ።+ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኸም ቅጫ ይብልዕዎ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ይብልዕዎ።+ 17 ምስ ብኹዕ ከኣ ኣይሰንከት።+ ካብቲ ብሓዊ ዚግበር መስዋእተይ ዝሃብክዎም ግዲኦም እዩ።+ ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ከም መስዋእቲ በደልን ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 18 ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይብልዓዮ።+ እዚ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ንውሉድ ወለዶኦም ናይ ሓዋሩ እጃሞም ይኹን።+ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ ኪቕደስ እዩ።’” 19 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 20 “ኣሮንን ደቁን በታ ንሱ ዚቕብኣላ መዓልቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ መስዋእቲ እዚ እዩ፦+ ንናይ ወትሩ መስዋእቲ እኽሊ+ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ*+ ድኹም ሓርጭ፡ ፍርቁ ንግሆ፡ ፍርቁ ድማ ምሸት። 21 ምስ ዘይቲ ኣብ መቕሎ ይገበር።+ ነቲ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድማ ኣምጺእካ፡ ነቲ እተሰንከተ መስዋእቲ እኽሊ ቘራሪስካ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ጌርካ ኣቕርበሉ። 22 እቲ ኻብ ደቁ ዝተክኦ ቕቡእ ካህን+ ከኣ ይግበሮ። ናይ ሓዋሩ ስርዓት እዩ፦ ምሉእ መስዋእቲ ኪኸውን ንየሆዋ ይሕረር። 23 ኵሉ ናይ ካህን መስዋእቲ እኽሊ፡ ምሉእ መስዋእቲ ይኹን። ኣይበላዕ።” 24 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 25 “ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዚ እዩ፦+ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሕረደላ ቦታ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ። ንሱ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ። 26 እቲ ስለ ሓጢኣት ኢሉ ዜቕርቦ ኻህን ይብልዓዮ።+ ኣብ ቅዱስ ቦታ፡ ኣብቲ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ይበላዕ።+ 27 “‘ነቲ ስጋኡ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ ኪቕደስ እዩ፣ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ገለ ኽዳን እንተ ነጢሩ፡ ነቲ ደም ዝነጠሮ ዘበለ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕጸቦ። 28 እቲ ዝበሰለሉ ኣቕሓ መሬት ድማ ይሰበር። ኣብ ኣቕሓ ነሓሲ እንተ በሲሉ ግና፡ እቲ ኣቕሓ ይፈግፈግ፡ ብማይ እውን ይተሓጸብ። 29 “‘ካብቶም ካህናት ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይብልዓዮ።+ ንሱ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 30 እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ካብ ደሙ ኣብ መቕደስ ንምትዕራቕ ተባሂሉ ናብ ድንኳን ምርኻብ እንተ ኣትዩ ግና፡ ኣይበላዕ።+ ብሓዊ ይንደድ። 25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡+ እታ ምድሪ ንየሆዋ ሰንበት ተብዕል።+ 3 ሽዱሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ፡ ሽዱሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍ፡ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣክብ።+ 4 ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና፡ ነታ ምድሪ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡ ንየሆዋ ሰንበት ይኹን። ግራትካ ኣይትዝራእ፡ ወይ ወይንኻ ኣይትጠጥፍ። 5 ነቲ ድሕሪ ዓጺድ ዝባለገ እኽሊ ኣይትዕጸዶ፣ ነቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ወይኒ እውን ኣይትኣክቦ። ነታ ምድሪ፡ ዓመት ምሉእ ዕረፍቲ ይኹነላ። 6 ነቲ ኣብታ ምድሪ ብሰንበት ዝበቘለ ግና፡ ንስኻን ግዙእካን ግዝእትኻን ዕሱብካን ምሳኻ ዚቕመጥ ጓናን ብልዕዎ፣ 7 እንስሳ ዘቤትካን እንስሳ ዘገዳም ምድርኻን እውን ከምኡ። እታ ምድሪ ዘፍረየቶ ዅሉ ይበላዕ። 8 “‘ሸውዓተ ዓመታት ሰንበት፡ ሸውዓተ ሳዕ ሸውዓተ ዓመት፡ ቍጸር፣ መዓልትታት እተን ሸውዓተ ዓመታት ሰንበት ድማ 49 ዓመት ይኹና። 9 ሽዑ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ፡+ ዓው ኣቢልኩም መለኸት ንፍሑ፣ ደሃይ እቲ መለኸት ከኣ ኣብ ኵላ ምድርኹም ይሰማዕ። 10 ነታ መበል 50 ዓመት ቀድስዋ፣ ኣብታ ምድሪ ድማ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዅሎም ሓርነት ኣውጁ።+ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ።+ 11 እታ መበል 50 ዓመት፡ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም። ኣይትዝርኡ፡ ወይ ነቲ ዝባለገ እኽሊ ኣይትዕጸዱ፡ ወይ ነቲ ኸይተጠጠፈ ዝፈረየ ወይኒ ኣይትኣክቡ።+ 12 ዓመት እልልታ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። እታ ምድሪ ባዕላ ዘፍረየቶ ጥራይ ብልዑ።+ 13 “‘በዛ ዓመት እልልታ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ።+ 14 ንብጻይኩም ዝዀነ ነገር እንተ ሼጥኩምሉ፡ ወይ ካብኡ እንተ ዓዲግኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተዓማመጹ።+ 15 ካብ ብጻይካ ኽትዕድግ ከለኻ፡ ቍጽሪ እተን ድሕሪ ዓመት እልልታ ዘለዋ ዓመታት ኣብ ግምት ኣእቱ፣ ንሱ ድማ ብመሰረት ቍጽሪ እተን እታ ምድሪ እኽሊ እተፍርየሉ ዝተረፋ ዓመታት ይሽጠልካ።+ 16 ብቝጽሪ እቲ ዚፈሪ እኽሊ እዩ ዚሸጠልካ ዘሎ እሞ፡ ብዙሓት ዓመታት እንተ ተሪፈን፡ ዋጋኣ ይወስኽ፣ ሒደት ዓመታት እንተ ተሪፈን ድማ፡ ዋጋኣ ይነኪ። 17 ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡+ ካባታትኩም ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዓምጽ፡+ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።+ 18 ሕግታተይ ግበሩ፡ ፍርድታተይ ከኣ ሓልዉ። ኣብታ ምድሪ ድማ ብደሓን ክትቅመጡ ኢኹም።+ 19 እታ ምድሪ ፍሪኣ ኽትህበኩም እያ፡+ ንስኻትኩም ከኣ ክሳዕ እትጸግቡ ኽትበልዑ፡ ኣብኣ እውን ብደሓን ክትቅመጡ ኢኹም።+ 20 “‘ግናኸ፡ “እንተ ዘይዘሪእናን እኽሊ እንተ ዘይኣኪብናን፡ ኣብታ ሻውዐይቲ ዓመት እንታይ ክንበልዕ ኢና፧” እንተ ኢልኩም፡+ 21 ኣብታ ሻድሸይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፣ እታ ምድሪ ድማ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን እኽሊ ኸተፍሪ እያ።+ 22 ንስኻትኩም ከኣ ኣብታ ሻምነይቲ ዓመት ክትዘርኡ፡ ክሳዕ እታ ታሽዐይቲ ዓመት ድማ ካብቲ ነባር እኽሊ ኽትበልዑ ኢኹም። እኽላ ኽሳዕ ዚኣቱ፡ ነቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም። 23 “‘እታ ምድሪ ናተይ እያ፡+ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ቅድመይ ጓኖትን ሰፈርትን ኢኹም እሞ፡+ እታ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።+ 24 ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ ነታ ምድሪ መሰል ምብጃው ሃቡ። 25 “‘ሓውካ እንተ ደኽዩ እሞ ገለ ኻብ ርስቱ እንተ ሸይጡ፡ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ ዝዀነ ተበጃዊ መጺኡ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ይበጀዎ።+ 26 ሓደ እኳ ዚብጀዎ እንተ ዘይብሉ፡ ንሱ ግና እንተ ሃብቲሙ እሞ፡ ንምብጃው ዚኣክል እንተ ረኺቡ፡ 27 ዋጋ እቲ ኻብታ ዝሸጠላ እዋን ኣትሒዙ ዘሎ ዓመታት ይጸብጽብ እሞ፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ ዝሸጠሉ ይሃቦ። ሽዑ፡ ናብ ርስቱ ይመለስ።+ 28 “‘ካብኡ ኺመልሶ እንተ ዘይክኢሉ ግና፡ እቲ ዝሸጦ ምስቲ ዓዳጊ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይጽናሕ።+ ኣብ ዓመት እልልታ ድማ ይመለሰሉ፣ ንሱ ኸኣ ናብ ርስቱ ይመለስ።+ 29 “‘ሰብ ብመካበብያ ኣብ እተኸብበት ከተማ ቤት እንተ ሸይጡ፡ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትውዳእ መሰል ምብጃው ኣለዎ፣ ዓመት ምሉእ፡ መሰል ምብጃው+ ኣለዎ። 30 ክሳዕ መወዳእታ ሓደ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጅይዋ ግና፡ እታ ብመካበብያ ኣብ እተኸብበት ከተማ ዘላ ቤት ነቲ ዓዳጊኣ ንውሉድ ወለዶኡ ናይ ሓዋሩ ርስቲ ትኹነሉ። ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ኣይትውጻእ። 31 ኣብ ዙርያኡ መካበብያ ኣብ ዘይብሉ ሰፈራት ዚርከባ ኣባይቲ ግና፡ ምስ ግራውቲ እቲ ገጠር ይቈጸራ። መሰል ምብጃው ይሃልወን፡ ኣብ ዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ። 32 “‘ብዛዕባ እተን ኣብ ከተማታቶም ዘለዋ ኣባይቲ ሌዋውያን ግና፡+ ሌዋውያን ንሓዋሩ መሰል ምብጃው ኣለዎም። 33 እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ርስቶም እየን እሞ፡+ ርስቲ ሌዋውያን ዚብጀዋ እንተ ዘይረኺባ፡ እታ ኣብ ከተማ ዘላ እተሸጠት ቤቶም እውን ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ትውጻእ።+ 34 ናይ ሓዋሩ ርስቶም እዩ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘሎ መጓሰዪ+ እውን ኣይሸየጥ። 35 “‘ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ሓውካ እንተ ደኽዩ እሞ ኢዱ እንተ ሓጺርዎ፡ ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር፡ ከምቲ ንጓናን ንሰፋርን እተናብሮ+ ጌርካ ኣናብሮ።+ 36 ካብኡ ወለድ ወይ መኽሰብ* ኣይትውሰድ።+ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፣+ ሓውካ ድማ ምሳኻ ብህይወት ኪነብር እዩ። 37 ገንዘብካ ብወለድ+ ኣይተለቅሓዮ፡ ወይ ምግብኻ ብመኽሰብ ኣይትሃቦ። 38 ኣምላኽኩም ክኸውን፡+ ምድሪ ከነኣን ከኣ ክህበኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 39 “‘ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ሓውካ እንተ ደኽዩ እሞ ገዛእ ርእሱ እንተ ሸይጡልካ፡+ ከም ባርያ ኣይትግዝኣዮ።+ 40 ከም ዕሱብን+ ከም ሰፋርን ይኹን። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ። 41 ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ካባኻ ይውጻእ፡ ናብ ዓሌቱ ድማ ይመለስ። ናብ ርስቲ ኣቦታቱ ይመለስ።+ 42 ከመይሲ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም።+ ከምቲ ባርያ ዚሽየጥ ገይሮም፡ ገዛእ ርእሶም ኣይሽጡ። 43 ብጭከና ኣይትሓዞ፡+ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ።+ 44 ግዙእኩምን ግዝእትኹምን ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ኣህዛብ ኣምጽኡ፣ ካባታቶም ግዙእ ወይ ግዝእቲ ኽትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። 45 ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት ሰፈርቲ እውን፡+ ካባታቶምን ኣብ ምድርኹም ካብ እተወልዱሎም ዓሌታቶምን ባሮት ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ጥሪትኩም ከኣ ይኹኑ። 46 ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ውርሲ ጌርኩም ሃብዎም እሞ፡ ናይ ሓዋሩ ጥሪት ገይሮም ይውረስዎም። ዓየይቲ ይኹኑልኩም፣ ንኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ግና፡ ብጭከና ኣይትሓዝዎም።+ 47 “‘ኣብ መንጎኻ ዘሎ ጓና ወይ ሰፋሪ እንተ ሃብቲሙ፡ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሓውካ ድማ እንተ ደኽዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎኻ ዘሎ ጓና ወይ ሰፋሪ ወይ ንሓደ ኻብ ዓሌት ጓና ኸኣ ገዛእ ርእሱ እንተ ሸይጡ፡ 48 ገዛእ ርእሱ ምስ ሸጠ እውን፡ መሰል ምብጃው ኣለዎ። ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎ።+ 49 ወይ ሓው ኣቦኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቦኡ ይበጀዎ፣ ወይ ከኣ ቀረባ ዘመዱ፡* ሓደ ኻብ ዓሌቱ ይበጀዎ። “‘ወይ ንሱ እንተ ሃብቲሙ፡ ንገዛእ ርእሱ ይበጀዋ።+ 50 ምስቲ ዝዓደጎ ዀይኑ ኻብታ ገዛእ ርእሱ ንዕኡ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ዘሎ ግዜ ይጸብጽብ፣+ እቲ እተሸጠሉ ዋጋ ድማ ማዕረ ቝጽሪ እተን ዓመታት ይኹን።+ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ገምጋም መዓልትታት ዕዮኡ ብመጠን ዕሱብ ይኹን።+ 51 ብዙሓት ዓመታት እንተ ተሪፈን፡ ብመጠን እተን ዝተረፋ ዓመታት ዋጋ መበጀዊኡ ይኽፈል። 52 ክሳዕ ዓመት እልልታ ሒደት ዓመታት ጥራይ እንተ ተሪፈን ድማ፡ ይጸብጽበን እሞ፡ ብመጠን እተን ዝተረፋ ዓመታት ዋጋ መበጀዊኡ ይኽፈል። 53 ዓመት ዓመት ከም ዕሱብ የገልግሎ፡ ብጭከና ኸይሕዞ ኸኣ ተጠንቀቕሉ።+ 54 በዚ ኸምዚ ንገዛእ ርእሱ ኺብጀዋ እንተ ዘይክኢሉ ግና፡ ንሱ፡ ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ።+ 55 “‘ከመይሲ፡ እስራኤላውያን ባሮተይ እዮም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። 10 ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡+ ነናቶም መትሓዝ ሓዊ ወሲዶም፡ ሓዊ ገበሩሉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጣን+ ኣንበሩሉ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ዘይተፈቕደ ሓዊ ኣቕረቡ።+ 2 ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ድማ በልዖም እሞ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞቱ።+ 3 ሽዑ፡ ሙሴ ንኣሮን፡ “የሆዋ እተዛረቦ እዚ እዩ፦ ‘ኣብ መንጎ እቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፣+ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ ድማ ክኽበር እየ’” በሎ። ኣሮን ከኣ ስቕ በለ። 4 ሙሴ ድማ ንሚሻኤልን ንኤሊጻፋንን፡ ደቂ ዑዚኤል፡+ ሓው ኣቦ ኣሮን፡ ጸዊዑ፡ “ቅረቡ እሞ ንኣሕዋትኩም ካብ ቅድሚ እቲ መቕደስ ናብ ወጻኢ ሰፈር ጾይርኩም ውሰድዎም” በሎም። 5 ንሳቶም ከኣ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ በቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ጾይሮም ናብ ወጻኢ ወሰድዎም። 6 ሽዑ፡ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁ ኣልኣዛርን ኢታማርን ከምዚ በሎም፦ “ከይትሞቱ እሞ፡ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ኣኼባ ኸይቍጥዖስ፡ ርእስኹም ኣይተወንጭሩ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ።+ ነቶም የሆዋ ብሓዊ ዝቐተሎም፡ ኣሕዋትኩም ብዘለዉ ቤት እስራኤል ኪበኽዩሎም እዮም። 7 ዘይቲ ቕብኣት የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።”+ ንሳቶም ድማ ከም ቃል ሙሴ ገበሩ። 8 የሆዋ ኸኣ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 9 “ንስኻን ምሳኻ እውን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ከይትሞቱስ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዩ።+ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም። 10 እዚ ድማ ኣብ መንጎ ቅዱስን ርኹስን፡ ኣብ መንጎ ዘይንጹህን ንጹህን ንምፍላይ፡+ 11 ንእስራኤላውያን ከኣ ኵሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦም ስርዓታት ንምምሃር እዩ።”+ 12 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ ኣልኣዛርን ኢታማርን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ነቲ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ውሰድዎ፣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡+ ቅጫ ጌርኩም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ብልዕዎ።+ 13 ካብቲ ንየሆዋ ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ፡ እዚ እጃምካን እጃም ደቅኻን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ብልዕዎ፣+ ከመይሲ፡ ከምኡ እየ ተኣዚዘ። 14 ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን እግሪ ቕዱስ ግደን+ እውን፡ ካብ መስዋእቲ ሕብረት እስራኤላውያን እጃምካን እጃም ደቅኻን ኪኸውን ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ጽሩይ ቦታ ብልዕዎ።+ 15 ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ንምውዝዋዝ፡ እግሪ ቕዱስ ግደን ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ምስቲ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ስብሕን ኬምጽኡ እዮም፣ እዚ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ ንዓኻን ምሳኻ እውን ንደቅኻን ናይ ሓዋሩ እጃም ይኹን።”+ 16 ሙሴ ኸኣ ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝዀነ ወጠጦ ኣጸቢቑ ደለዮ፣+ ከም ዝሓረረ ድማ ፈለጠ። ሽዑ፡ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ከምዚ ኢሉ ተቘጥዖም፦ 17 “ስሕተት እቲ ኣኼባ ምእንቲ ኽትጾሩን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምእንቲ ኸተተዓርቕዎምን፡ መስዋእቲ ሓጢኣት ቅዱስ ቅዱሳን እዩ፡ ንዓኻትኩም ከኣ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ቅዱስ ቦታ ዘይበላዕኩምዎ፧+ 18 እንሆ፡ ደሙ ናብ ውሽጢ እቲ መቕደስ ኣይኣተወን።+ ከምቲ እተኣዘዝክዎ፡ ኣብቲ መቕደስ ብርግጽ ክትበልዕዎ ምተገብኣኩም ነይሩ።” 19 ኣሮን ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እንሆ፡ ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን ዚሓርር መስዋእቶምን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕሪቦም እዮም፣+ ንዓይ ከኣ ከምዚ ዝበለ በጺሑኒ እዩ። ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣት እንተ ዝበልዕሲ፡ ንየሆዋ ባህ መበሎዶ፧” 20 ሙሴ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ዓገበ። 14 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ድዉይ ብመዓልቲ ምንጻሁ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ምስ ኣምጽእዎ፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።+ 3 እቲ ኻህን ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ከይዱ ይመርምሮ። እቲ ድዉይ ካብቲ ደዌኡ እንተ ሓውዩ፡ 4 ንምንጻሁ ዚኸውን ክልተ ህያዋን ዝዀና ንጹሃት ኣዕዋፍን ዕንጨይቲ ቄድሮስን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ሃዛብን ኬምጽእ፡ እቲ ኻህን ይኣዝዞ።+ 5 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ዑፍ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ክትሕረድ ይኣዝዝ። 6 ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ሃዛብን ከኣ ይውሰድ እሞ፡ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሓርደት ዑፍ ይእለኽ። 7 ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ደዌኡ ዚነጽህ ድማ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸጎ እሞ፡ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፣ ነታ ህያው ዑፍ ከኣ ናብ መሮር ትኺድ ይሕደጋ።+ 8 “እቲ ዚነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኵሉ ጸጕሩ ኸኣ ይላጺ፡ ብማይ እውን ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕርዚ፡ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ። 9 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ኵሉ ጸጕሪ ርእሱን ጭሕሙን ሸፋሽፍቱን ይላጺ። ጸጕሩ ምስ ላጸየ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። 10 “ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ክልተ ጥዑያት ገንሸልን* ሓንቲ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ጥዕይቲ ሽበንን*+ ንመስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭን+ ሓደ ሎግ* ዘይትን ይውሰድ።+ 11 እቲ ዜንጽሆ ኻህን ድማ ነቲ ዚነጽህ ሰብን ነቲ መስዋእትታትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ። 12 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ሓደ ገንሸል* ወሲዱ፡ ምስቲ ሎግ ዘይቲ ብሓባር ገይሩ ንመስዋእቲ በደል የቕርቦ፣+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ይወዝውዞ።+ 13 መስዋእቲ በደል ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ናይቲ ኻህን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡+ ነቲ ገንሸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሓርር መስዋእትን ዚሕረደሉ ቦታ፡+ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይሕረዶ። ንሱ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 14 “እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። 15 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ሎግ ዘይቲ ወሲዱ፡+ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ የፍስስ። 16 እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ፡ ካብቲ ዘይቲ ብኣጻብዑ ሸውዓተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይንጸግ። 17 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ይልከዮ። 18 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ፣ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ።+ 19 “እቲ ኻህን ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት+ ይሰውእ እሞ፡ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዚነጽህ የተዓርቆ፣ ድሕርዚ ድማ፡ ንሱ ዚሓርር መስዋእቲ ይሕረድ። 20 እቲ ኻህን ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን+ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቕርብ፣ እቲ ኻህን ከኣ የተዓርቆ፣+ ንሱ እውን ይነጽህ።+ 21 “ግናኸ፡ ንሱ ድኻ እንተ ዀይኑ፡ ዓቕሚ ኸኣ እንተ ዘይኣልይዎ፡ ንመተዓረቒኡ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ንመስዋእቲ በደል ሓደ ገንሸል፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ድማ ብዘይቲ ምስ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ፡ ከምኡ እውን ሓደ ሎግ ዘይቲ ይውሰድ፣ 22 ከም ዓቕሙ እውን ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ይውሰድ። እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ትኹን፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ትኹን።+ 23 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ+ ድማ፡ ንምንጻሁ ኪኸውን፡ ነዚ ናብቲ ኻህን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ቅድሚ የሆዋ የምጽኣዮ።+ 24 “እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደልን+ ነቲ ሎግ ዘይትን ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ድማ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይወዝውዞ።+ 25 ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደል ከኣ ይሕረዶ፣ እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱ፡ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።+ 26 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዘይቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ የፍስስ፣+ 27 ካብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኸኣ ብየማነይቲ ኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ። 28 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ይልከዮ። 29 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምእንቲ ኼተዓርቖ፡ ነቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ። 30 “ከም ዓቕሙ ድማ ሓንቲ ኻብተን ባሬቶ ወይ ሓንቲ ኻብተን ጫቚት ርግቢ የቕርብ፣+ 31 ከም ዓቕሙ ኸኣ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ንዚሓርር መስዋእቲ+ ምስ መስዋእቲ እኽሊ የቕርብ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ።+ 32 “ብዛዕባ እቲ ሕማም ደዌ ዝነበሮ እሞ፡ ንምንጻሁ ዜድሊ ንምምላእ ዓቕሚ ዘይብሉ፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።” 33 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 34 “ናብታ ኣነ ርስቲ ገይረ ዝህበኩም+ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡+ ኣብታ ምድርኹም ከኣ ንሓንቲ ቤት ብደዌ እንተ በኪለያ፡+ 35 እቲ ብዓል ቤት ናብ ካህን መጺኡ፡ ‘ኣብ ቤተይ ሓደ ዓይነት ብከላ ተራእዩ’ ኢሉ ይንገሮ። 36 እቲ ኻህን ድማ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ቤት ዘሎ ርኹስ ምዃኑ ምእንቲ ኸይነግር፡ ነቲ ብከላ ኺምርምሮ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ነታ ቤት ጥራያ ኺገብርዋ ይኣዝዝ፣ ድሕርዚ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ኪምርምራ ይእቶ። 37 ነቲ እተበከለ ኸባቢ ይመርምሮ፣ መንደቕ እታ ቤት ብብጭው ዝበለ ሓምላይ ወይ ብቕይሕ ዝበለ ዕምቈት እንተ ተበከለ፡ ካብቲ መንደቕ ድማ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ 38 ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ቤት ናብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ይውጻእ፣ ነታ ቤት ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽባ።+ 39 “ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ፡ እቲ ኻህን ተመሊሱ ይመርምራ። እቲ ብከላ ኣብ መንደቕ እታ ቤት እንተ ልሒሙ፡ 40 ሽዑ እቲ ኻህን ይኣዝዝ፣ ነቲ እተበከለ ኣእማን ኣውጺኦም ከኣ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ይደርብይዎ። 41 እታ ቤት ድማ ብውሽጣ ብዅሉ ሸነኻ ትተሓኸኽ፣ እቲ ተለሲኑ ዝነበረ ሕካኽ ከኣ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ኣብ ርኹስ ቦታ ይጐሓፍ። 42 ኣብ ክንዲ እቲ ዝወጸ ኣእማን ድማ ካልእ ኣእማን የእትዉ፣ ብኻልእ ጭቃ ገይሩ ኸኣ ነታ ቤት ይለስና። 43 “እቲ ኣእማን ምስ ወጸን እታ ቤት ምስ ተሓክከትን ዳግም ምስ ተለሰነትን፡ እቲ ብከላ ተመሊሱ ኣብታ ቤት እንተ ወጺኡ ግና፡ 44 ሽዑ እቲ ኻህን ኣትዩ ይመርምራ። እቲ ብከላ ኣብታ ቤት እንተ ልሒሙ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ብርቱዕ ደዌ እዩ።+ እታ ቤት ርኽስቲ እያ። 45 ነታ ቤት ድማ፡—ኣእማናን ኣዕጫዋን ነታ ቤት ዝለሰና ዅሉ ጭቃን፡—ከም እትፈርስ፡ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ኸኣ ከም እትጕሓፍ ይግበር።+ 46 እታ ቤት ተወሺባ ኣብ ዝነበረትሉ ኵለን መዓልትታት+ ናብኣ ዝኣተወ ዘበለ ድማ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፣+ 47 ኣብታ ቤት ዝደቀሰ ዘበለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኣብታ ቤት ዝበልዐ ዘበለ እውን ክዳውንቱ ይሕጸብ። 48 “ግናኸ፡ እቲ ኻህን መጺኡ፡ እታ ቤት ዳግም ምስ ተለሰነት፡ እቲ ብከላ ኣብታ ቤት ከም ዘይለሓመ እንተ ርእዩ፡ እቲ ብከላ ሓውዩ እዩ እሞ፡ እታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር። 49 ነታ ቤት ካብ ርኽሰት* ንምንጻህ ከኣ፡ ክልተ ኣዕዋፍን ዕንጨይቲ ቄድሮስን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ሃዛብን ይውሰድ።+ 50 ነታ ሓንቲ ዑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ይሕረዳ። 51 ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ሃዛብን ነቲ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ነታ ህያው ዑፍን ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ደም እታ እተሓርደት ዑፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ፡ ነታ ቤት ሸውዓተ ሳዕ ይንጸገላ።+ 52 ነታ ቤት ድማ ብደም እታ ዑፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ህያው ዑፍን በቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን በቲ ሃዛብን በቲ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ካብ ርኽሰታ* የንጽሃያ። 53 ነታ ህያው ዑፍ ድማ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ መሮር ትኺድ ይሕደጋ፣ ነታ ቤት እውን የተዓርቃ፡ ትነጽህ ከኣ። 54 “ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ደዌ፡ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ረኽሲ፡+ 55 ብዛዕባ ደዌ ኽዳን+ ወይ ቤት፡+ 56 ብዛዕባ ሕበጥን ሽሕርን ብሩህ ብሮትን፡+ 57 መዓስ ርኹስ ከም ዚኸውንን መዓስ ንጹህ ከም ዚኸውንን ንምውሳን፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።+ ሕጊ ደዌ እዚ እዩ።”+ 9 ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ፡+ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም። 2 ንኣሮን ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡+ ሓደ ጥዑይ ንእሽቶ ምራኽ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ፡ ሓደ ጥዑይ ድዑል ወሲድካ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕርቦም። 3 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ጥዑይ ወጠጦ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ድማ ሓሓደ ዓመት ዝገበሩ ሓደ ጥዑይ ምራኽን ሓደ ጥዑይ ገንሸልን* ውሰዱ፣ 4 መስዋእቲ ሕብረት+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምስዋእ ከኣ ሓደ ብዕራይን ሓደ ድዑልን፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ መስዋእቲ እኽሊ+ እውን ውሰዱ፣ ከመይሲ፡ ሎሚ የሆዋ ኺርኣየኩም እዩ።’”+ 5 እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ወሰዱ። ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ቀሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በለ። 6 ሙሴ ኸኣ፡ “ክብሪ የሆዋ ምእንቲ ኺርኣየኩም፡ እቲ የሆዋ ኽትገብርዎ ዝኣዘዘኩም እዚ እዩ” በለ።+ 7 ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ “ናብቲ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን+ ዚሓርር መስዋእትኻን ኣቕርብ እሞ፡ ንርእስኻን ንቤትካን ኣተዓርቕ፣+ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ እውን፡ መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕርብ እሞ፡+ ኣተዓርቆም”+ በሎ። 8 ብኡብኡ፡ ኣሮን ናብቲ መሰውኢ ቐረበ እሞ፡ ነቲ ምእንታኡ መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ምራኽ ሓረዶ።+ 9 ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም+ ኣቕረቡሉ፣ ንሱ ድማ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፡ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ለኸየ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ድማ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ።+ 10 ናይቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ስብሕን ኰላሊትን ስብሒ ጸላም ከብድን ከኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።+ 11 ነቲ ስጋን ነቲ ቘርበትን ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።+ 12 ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓረዶ። ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ነጸጎ።+ 13 ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ በብብልዕቱ ምስ ርእሱ ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። 14 ነቲ ኣምዑትን ነቲ ኣእጋርን ሓጺቡ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። 15 መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕረበ እሞ፡ ነቲ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ወጠጦ ወሲዱ ሓረዶ፣ ከምቲ ቐዳማይ ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት ገበሮ። 16 ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣምጺኡ ድማ ከምቲ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ።+ 17 ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ንግሆ+ ኸኣ፡ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕረበ፣+ ካብኡ ብኢዱ ዓሚኹ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። 18 ነቶም ምእንቲ እቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሕብረት ዚዀኑ ብዕራይን ድዑልን ድማ ሓረዶም። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ነጸጎ።+ 19 ንስብሕታት እቲ ብዕራይን+ ንዀልኰል እቲ ድዑልን ነቲ ንናውቲ ኸብዲ ዜጐልብብ ስብሕን* ነቲ ዀላሊትን ንስብሒ ጸላም ከብድን ከኣ፡+ 20 ኰታስ ንዅሉ እዚ ስብሕታት እዚ ኣብ ልዕሊ ሓኸለታት ገበርዎ፣ ንሱ ድማ ነቲ ስብሕታት ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ።+ 21 ኣሮን ከኣ ነቲ ሓኸለታትን ነታ የማነይቲ እግርን፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ወዝወዞ።+ 22 ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቲ ህዝቢ ኣልዒሉ መረቖም፣+ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ምስ ሰውአ ኸኣ ወረደ። 23 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣተዉ፣ ወጺኦም ከኣ ነቲ ህዝቢ መረቕዎ።+ ክብሪ የሆዋ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ተራእዮ፣+ 24 ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ኸኣ፡+ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም እውን ተደፍኡ።+ 27 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰብ ንየሆዋ ገምጋም ሓደ ሰብ* ኪህቦ ፍሉይ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡+ 3 ገምጋም ሓደ ኻብ 20 ኽሳዕ 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ተባዕታይ፡ ብሲቃል መቕደስ* 50 ሲቃል* ብሩር ይኹን። 4 ጓል ኣንስተይቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ገምጋማ 30 ሲቃል ይኹን። 5 ዕድሚኦም ካብ 5 ኽሳዕ 20 ዓመት እንተ ዀይኑ ድማ፡ ገምጋም ወዲ ተባዕታይ 20 ሲቃል፡ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ 10 ሲቃል ይኹን። 6 ዕድሚኦም ካብ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ዀይኑ ድማ፡ ገምጋም ወዲ ተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ሰለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን። 7 “‘ዕድሚኦም 60 ዓመትን ልዕሊኡን እንተ ዀይኑ፡ ገምጋም ወዲ ተባዕታይ 15 ሲቃል፡ ጓል ኣንስተይቲ ድማ 10 ሲቃል ይኹን። 8 ነቲ ገምጋም ኪኸፍል ዘይክእል ድኻ እንተ ዀይኑ ግና፡+ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው ይበል እሞ፡ እቲ ኻህን ይገምግሞ። እቲ ኻህን ከም ዓቕሚ እቲ መብጽዓ እተመባጽዐ ይገምግሞ።+ 9 “‘ንየሆዋ መስዋእቲ ዚኸውን እንስሳ ኬቕርብ እንተ ተመባጺዑ ኸኣ፡ እቲ ንየሆዋ ዚውሃብ ዘበለ ቕዱስ ይኸውን። 10 ንኽፉእ ብጽቡቕ፡ ንጽቡቕ ድማ ብኽፉእ ኣይተክኣዮ ወይ ኣይለውጦ። ሓደ እንስሳ ብኻልእ እንስሳ እንተ ለዊጡ ግና፡ እቲ ናይ መጀመርታን እቲ መላውጥቱን ቅዱሳት ይኹኑ። 11 ንየሆዋ መስዋእቲ ዀይኑ ዘይቀርብ ርኹስ እንስሳ+ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። 12 ጽቡቕ ወይ ክፉእ ምዃኑ፡ እቲ ኻህን ይገምግሞ። ገምጋሙ ኸኣ ከምቲ እቲ ኻህን ዝገምገሞ ይኹን። 13 ኪብጀዎ እንተ ደልዩ ግና፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ።+ 14 “‘ሰብ፡ ቤቱ ንየሆዋ ቕድስቲ ኽትከውን እንተ ቐዲስዋ፡ ጽብቕቲ ወይ ክፍእቲ ምዃና፡ እቲ ኻህን ይገምግማ። ዋጋኣ ኸምቲ እቲ ኻህን ዝገምገማ ይኹን።+ 15 እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኺብጀዋ እንተ ደልዩ ግና፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ፣ ናቱ ድማ ትኸውን። 16 “‘ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንየሆዋ እንተ ቐዲሱ፡ እቲ ገምጋም ከም መጠን እቲ ኣብኣ ዚዝራእ ዘርኢ ይኹን፦ ሓደ ሖመር* ዘርኢ ስገም፡ 50 ሲቃል ብሩር ይኹን። 17 ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ+ ጀሚሩ እንተ ቐዲስዋ፡ እቲ ገምጋም ይቑም። 18 ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐዲስዋ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብመጠን እተን ክሳዕ እታ እትቕጽል ዓመት እልልታ ዝተረፋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋም ድማ ይጕደል።+ 19 እቲ ዝቐደሳ ንግራቱ ኺብጀዋ እንተ ደልዩ ግና፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ፣ ናቱ ኸኣ ትኸውን። 20 ነታ ግራት ኪብጀዋ እንተ ዘይደልዩ፡ እታ ግራት ድማ ንኻልእ እንተ ተሸይጣ፡ ኪብጀዋ ኣይክእልን እዩ። 21 እታ ግራት ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ኽትወጽእ ከላ፡ ከም እተወፈየት ግራት ንየሆዋ እተቐደሰት ትኹን። ርስቲ ኻህናት ትኹን።+ 22 “‘ሰብ ካብ ርስቱ ዘይኰነት ዝዓደጋ ግራት+ ንየሆዋ እንተ ቐዲሱ፡ 23 እቲ ኻህን ነቲ ገምጋም ዋጋ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ነቲ ገምጋም ይሃብ።+ ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ። 24 ኣብ ዓመት እልልታ ኸኣ፡ እታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብ ብዓል እታ ምድሪ ትመለስ።+ 25 “‘ኵሉ ዋጋ ብሲቃል መቕደስ ይገምገም። ሓደ ሲቃል፡ 20 ጌራ* ይኹን። 26 “‘ግናኸ፡ በዅሪ እንስሳ፡ በዅሪ ዀይኑ ንየሆዋ ተወሊዱ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ኣይቀድሶ።+ ብዕራይ ኰነ ወይ በጊዕ፡ ድሮ ናይ የሆዋ ዀይኑ እዩ።+ 27 ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ዀይኑ እሞ፡ ብመጠን ገምጋሙ እንተ ተበጅይዎ፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ።+ እንተ ዘይተበጅይዎ ግና፡ ብመጠን ገምጋሙ ይሸየጥ። 28 “‘ሰብ ካብ ንብረቱ ንየሆዋ ብዘይ ኵነት ዝወፈዮ* ዘበለ፡ ሰብ ኰነ፡ እንስሳ ዀነ፡ ወይ ግራት ርስቱ፡ ኣይሸየጥ ወይ ኣይበጆ። እተወፈየ ዘበለ ንየሆዋ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።+ 29 ንጥፍኣት እተመጠወ ዅኑን* ሰብ ድማ፡ ብርግጽ ይቀተል ደኣ እምበር፡+ ኪብጆ ኣይከኣልን እዩ።+ 30 “‘ዕሽር+ እታ ምድሪ ዘበለ፡ ካብ ዘርኢ ግራት ኰነ፡ ካብ ፍረ ኣእዋም፡ ናይ የሆዋ እዩ። ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ። 31 ሰብ ገለ ኻብ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ደልዩ፡ ነቲ ገምጋም ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ይሃብ። 32 ዕሽር ኵለን ከብትን ጤለ በጊዕን፡ ኵለን እተን ብትሕቲ በትሪ ጓሳ ዚሓልፋ ድማ፡ ዕሽር እንስሳ ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹን። 33 ጽቡቕ ወይ ክፉእ ምዃኑ ኣይመርምር፡ ኣይለውጥ እውን። እንተ ለዊጡ ግና፡ እቲ ናይ መጀመርታን እቲ መላውጥቱን ቅዱሳት ይኹኑ።+ ኪብጀዉ ኣይክእሉን እዮም።’” 34 እቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዛት እዚ እዩ።+ 13 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “ሓደ ሰብ ኣብ ቈርበቱ* ሕበጥ፡ ሽሕር፡ ወይ ብሩህ ብሮት እንተ ወጺእዎ፡ እዚ ድማ ኣብ ቈርበቱ ሕማም ደዌ*+ ኪኸውን ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ናብ ሓደ ኻብቶም ካህናት ዝዀኑ ደቁ የምጽእዎ።+ 3 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ረኽሲ ይመርምሮ። እቲ ኣብቲ ረኽሲ ዘሎ ጸጕሪ ምስ ዚጽዕዱ፡ እቲ ረኽሲ ድማ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ ምስ ዚርአ፡ ሕማም ደዌ እዩ። እቲ ኻህን ከኣ ይመርምሮ፡ ርኹስ ምዃኑ እውን ይንገር። 4 ግናኸ፡ እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቈርበቱ እንተ ጻዕድዩ፡ ካብቲ ቘርበት ድማ ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ ጸጕሩ እውን እንተ ዘይጻዕድዩ፡ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።*+ 5 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ ደው ዝበለ፡ ኣብቲ ቘርበት ድማ ዘይለሓመ እንተ መሲሉ፡ እቲ ኻህን ንኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ። 6 “እቲ ኻህን ድማ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸም ብሓድሽ ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ እንተ ፈሲሙ፡ ኣብቲ ቘርበት እውን እንተ ዘይልሒሙ፡ ንጹህ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፣+ ንሱ ሽሕር እዩ። እቲ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ፡ ይንጻህ። 7 ንምንጻህ ኣብ ቅድሚ ኻህን ድሕሪ ምቕራቡ እቲ ሽሕር* ብርግጽ ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ ግና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻህን ከም ብሓድሽ* ይርአ። 8 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣ እቲ ሽሕር ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፣ ንሱ ደዌ እዩ።+ 9 “ንሰብ ሕማም ደዌ እንተ ሒዝዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ፣ 10 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ።+ ኣብቲ ቘርበት ጻዕዳ ሕበጥ እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ጸጕሪ ኸኣ እንተ ኣጻዕድይዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ክፉት ቍስሊ+ እንተ ኣልዩ፡ 11 ኣብ ቈርበቱ ዝወጸ ሕዱር ደዌ እዩ፣ ርኹስ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ፡ ኣይወሽቦ።+ 12 እቲ ደዌ ኣብ ኵሉ ቘርበቱ እንተ ወጺኡ፡ እቲ ደዌ ድማ እቲ ኻህን ክርእዮ ኽሳዕ ዚኽእል ነቲ ሰብ ካብ ርእሱ ኽሳብ እግሩ ብሕማም እንተ ኸዲንዎ፡ 13 እቲ ኻህን ከኣ ምስ መርመሮ፡ እቲ ደዌ ንዅሉ ቘርበቱ ኸም ዝወረሶ እንተ ርእዩ፡ ሽዑ እቲ ረኽሲ ዝነበሮ ሰብ ንጹህ ምዃኑ* ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 14 ግናኸ፡ ክፉት ቍስሊ ምስ ተራእየ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። 15 እቲ ኻህን ክፉት ቍስሊ ምስ ዚርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር።+ እቲ ኽፉት ቍስሊ ርኹስ እዩ። ንሱ ደዌ እዩ።+ 16 እቲ ኽፉት ቍስሊ ኸም ብሓድሽ እንተ ጻዕድዩ ግና፡ ናብ ካህን ይምጻእ። 17 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣+ እቲ ረኽሲ እንተ ጻዕድዩ፡ ሽዑ እቲ ኻህን፡ እቲ ረኽሲ ዝነበሮ ሰብ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፣ ንሱ ንጹህ እዩ። 18 “ንሰብ ኣብ ቈርበቱ ምጕልንጭዋ እንተ ወጺእዎ እሞ፡ እንተ ሓውዩ፡ 19 ኣብቲ ምጕልንጭዋ ዝነበሮ ቦታ ግና ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ኣልዩ፡ ሽዑ ገዛእ ርእሱ ንኻህን የርኢ። 20 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣+ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእዩ፡ ጸጕሩ ኸኣ እንተ ጻዕድዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ኣብ ምጕልንጭዋ ዝወጸ ሕማም ደዌ እዩ። 21 ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ እሞ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጕሪ እንተ ዘየልዩ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ እንተ ዘይጐድጒዱ፡ ከምኡ ድማ እንተ ፈሲሙ፡ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።+ 22 ኣብቲ ቘርበት ብንጹር እንተ ልሒሙ ኸኣ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም እዩ። 23 እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ሓደ ቦታ ደው እንተ ኢሉን እንተ ዘይልሒሙን ግና፡ ነድሪ ምጕልንጭዋ ጥራይ እዩ፣ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር።+ 24 “ንሰብ ንዳድ ሓዊ እንተ ኣልይዎ እሞ፡ እቲ ኽፉት ቍስሊ ዝዀነ ንዳድ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ጻዕድዩ፡ 25 ሽዑ እቲ ኻህን ይመርምሮ። እቲ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ዘሎ ጸጕሪ እንተ ጻዕድዩ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ጐድጒዱ እንተ ተራእዩ፡ ኣብ ንዳድ ዝወጸ ደዌ እዩ፣ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም ደዌ እዩ። 26 ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጕሪ ኸም ዘየልቦ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ከም ዘይጐድጐደ፡ ከምኡ ድማ ከም ዝፈሰመ እንተ ርእዩ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።+ 27 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ይመርምሮ፣ ብንጹር ድማ ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም ደዌ እዩ። 28 ግናኸ፡ እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቦታኡ ደው እንተ ኢሉ፡ ኣብቲ ቘርበት እውን እንተ ዘይልሒሙ፡ ከምኡ ድማ እንተ ፈሲሙ፡ ንሱ ሕበጥ ንዳድ ጥራይ እዩ፣ ነድሪ ንዳድ እዩ እሞ፡ ንጹህ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። 29 “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ረኽሲ እንተ ኣልይዎ፡ 30 እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ይመርምሮ።+ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእዩ፡ እቲ ጸጕሪ ድማ ብጫን ቀጢንን እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፣ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ረኽሲ እዩ። ናይ ርእሲ ወይ ናይ መንከስ ደዌ እዩ። 31 ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ ርእዩ እሞ፡ እቲ ረኽሲ ኻብቲ ቘርበት ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ ኣብኡ ኸኣ ጸሊም ጸጕሪ እንተ ዘየልዩ፡ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።+ 32 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ እንተ ዘይልሒሙ፡ ብጫ ጸጕሪ እውን እንተ ዘየውጺኡ፡ እቲ ረኽሲ ዘለዎ ቦታ ኸኣ ካብቲ ቘርበት ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ 33 እቲ ሰብ ይላጸ፡ ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ቦታ ግና ኣይላጽዮ። ሽዑ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ። 34 “ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ቦታ ኸም ብሓድሽ ይመርምሮ፣ እቲ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ረኽሲ ኣብቲ ቘርበት እንተ ዘይልሒሙ፡ ካብቲ ቘርበት እውን ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ ሽዑ ንጹህ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ፡ ይንጻህ። 35 ግናኸ፡ ድሕሪ ምንጻሁ፡ እቲ ረኽሲ ኣብቲ ቘርበት ብንጹር እንተ ልሒሙ፡ 36 እቲ ኻህን ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ፡ እቲ ኻህን ብጫ ጸጕሪ እንተ ኣልዩ ኺርኢ ኣየድልዮን እዩ፣ እቲ ሰብ ርኹስ እዩ። 37 ግናኸ፡ እቲ ረኽሲ ኸም ዘይለሓመን ኣብኡ ጸሊም ጸጕሪ ኸም ዝበቘለን በቲ መርመራ እንተ ተራእዩ፡ እቲ ረኽሲ ሓውዩ እዩ። ንሱ ንጹህ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር።+ 38 “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቈርበቱ* ብሩህ ብሮት እንተ ወጺእዎ፡ እቲ ብሩህ ብሮት ከኣ ጻዕዳ እንተ ዀይኑ፡ 39 እቲ ኻህን ይመርምሮ።+ እቲ ኣብ ቈርበት ዘሎ ብሩህ ብሮት ዝፈሰመ ጻዕዳ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ቈርበት ዝወጸ ዘይጓዳእ ዕንፍሩር እዩ። እቲ ሰብ እቲ ንጹህ እዩ። 40 “ሰብ ጸጕሪ ርእሱ እንተ ተመሊጡ እሞ፡ እንተ በሪሑ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 41 ርእሱ ብሸነኽ ቅድሚት እንተ ተመሊጡ እሞ፡ ኣብኡ እንተ በሪሑ፡ ንጹህ እዩ። 42 ግናኸ፡ ኣብቲ በራሕ ርእሱ ወይ ኣብ ግምባሩ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቝስሊ እንተ ወጺእዎ፡ ኣብ ርእሱ ወይ ኣብ ግምባሩ ዝወጸ ደዌ እዩ። 43 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣ እቲ ሕበጥ ረኽሲ ኣብ ብርሑ ወይ ኣብ ግምባሩ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ኣብ ቈርበት ዚወጽእ ደዌ ኸኣ እንተ መሲሉ፡ 44 ንሱ ድዉይ እዩ። ንሱ ርኹስ እዩ፣ ብምኽንያት እቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ሕማም ከኣ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። 45 እቲ ሕማም ዘለዎ ድዉይ ድማ፡ ክዳውንቱ ይቕደድ፡ ርእሱ ኸኣ የወንጭር፡ ጭሕሙ* ኸዲኑ ድማ፡ ‘ርኹስ፡ ርኹስ!’ ኢሉ ይጨድር። 46 እቲ ሕማም ክሳዕ ዘለዎ፡ ኵሉ ግዜ ርኹስ ይኹን። ንሱ ርኹስ እዩ እሞ፡ ንበይኑ ይቀመጥ። መንበሪኡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን።+ 47 “እቲ ደዌ ኣብ ክዳን ጸምሪ ዀነ ኣብ ክዳን በፍታ እንተ ወጺኡ፡ 48 ኣብ ናይ በፍታ ቕጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ፡ ወይ ከኣ ኣብ ቈርበት ወይ ካብ ቈርበት ኣብ እተገብረ ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ወጺኡ፡ 49 ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት ድማ ብጭው ዝበለ ሓምላይ ወይ ቅይሕ ዝበለ ነገር እንተ ወጺኡ፡ ንሱ ብከላ ደዌ እዩ፡ ብኻህን ከኣ ይርአ። 50 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሕማም ይመርምሮ፣ ነቲ ሕማም ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።+ 51 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነቲ ሕማም ምስ መርመሮ፡ ኣብቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብቲ ቘርበት ልሒሙ ድማ እንተ ርእይዎ (እቲ ቘርበት ዚህቦ ኣገልግሎት ብዘየገድስ)፡ እቲ ሕማም ብርቱዕ ደዌ እዩ፣ ንሱ ርኹስ እዩ።+ 52 ነቲ ኽዳን ወይ ነቲ ኣብ ጸምሪ ወይ ኣብ በፍታ ዘሎ ቕጥኒ ወይ ፋእሚ፡ ወይ ከኣ ሕማም ንዝወጾ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት የንድዶ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ብርቱዕ ደዌ እዩ። ብሓዊ ይንደድ። 53 “ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ፡ እቲ ሕማም ከኣ ኣብቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት እንተ ዘይልሒሙ፡ 54 ሽዑ እቲ ኻህን ነቲ እተበከለ ነገር ኪሓጽብዎ ይኣዝዝ፡ ንኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ይወሽቦ። 55 እቲ ኻህን ከኣ፡ እቲ እተበከለ ነገር ኣጸቢቑ ምስ ተሓጽበ ይመርምሮ። ትርኢት እቲ ብከላ እንተ ዘይተቐይሩ፡ እቲ ሕማም እኳ እንተ ዘይለሓመ፡ ርኹስ እዩ። ብውሽጡ ወይ ብግዳሙ ስለ እተበልዐ፡ ብሓዊ ኣንድዶ። 56 “ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ፡ እቲ እተበከለ ኽፋል ከኣ ኣጸቢቑ ምስ ተሓጽበ እንተ ፈሲሙ፡ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ። 57 ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት እንተ ተራእዩ ግና፡ ይልሕም ኣሎ፣ ንዝዀነ ይኹን እተበከለ ነገር ከኣ ብሓዊ ኣንድዶ።+ 58 እቲ ብከላ ኻብቲ ዝሓጸብካዮ ኽዳን ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት እንተ ጠፊኡ ግና፡ ካልኣይ ሳዕ ይተሓጸብ፣ ይነጽህ ድማ። 59 “ኣብ ክዳን ጸምሪ ወይ በፍታ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ፡ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት ብዛዕባ ዚወጽእ ደዌ፡ ንጹህ ምዃኑ ወይ ርኹስ ምዃኑ ብዛዕባ ምንጋር፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።” 5 “‘ሓደ ሰብ* ኪምስክር ጻውዒት ሰሚዑ* ኼብቅዕ፡+ ምስክር ክነሱ፡ ወይ ዝረኣየ ወይ ዝፈለጠ ኽነሱ፡ እንተ ዘይሓቢሩ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። 2 “‘ወይ ሓደ ሰብ* ገለ ርኹስ ነገር፡ ማለት ገምቢ ርኹስ እንስሳ ዘገዳም፡ ወይ ገምቢ ርኹስ እንስሳ ዘቤት፡ ወይ ገምቢ ርኹስ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር እንተ ተንክዩ፡+ ብዘይፍላጥ እኳ እንተ ገበሮ፡ ርኹስ እዩ፡ በዳሊ ኸኣ ይኸውን። 3 ወይ ሓደ ብዘይፍላጥ ርኽሰት ሰብ፡+ ማለት ኬርክሶ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ርኹስ ነገር እንተ ተንክዩ እሞ፡ እንተ ተፈሊጥዎ፡ በዳሊ ይኸውን። 4 “‘ወይ ሓደ ሰብ* ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ጽቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር ከይፈለጠ ብሃወኽ እንተ ምሒሉ፡ ብሃወኽ ከም ዝመሓለ ምስ ተፈለጦ፡ በዳሊ ይኸውን።*+ 5 “‘ብሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ እንተ በዲሉ፡ ብምንታይ ከም ዝሓጥአ ይናዘዝ።+ 6 ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ከኣ ንመስዋእቲ በደሉ፡+ ማለት ካብ መጓሰኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ኣንስተይቲ፡ ሽበን* ወይ ኣርሕዶ፡* ንየሆዋ የምጽኣሉ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዓርቆ። 7 “‘ንበጊዕ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ሓጢኣት ንመስዋእቲ በደሉ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ፡+ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ፡+ ንየሆዋ የምጽኣሉ። 8 ናብ ካህን የምጽኣየን፣ ንሱ ድማ ቅድም ነታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እትኸውን ርእሳ ኸይፈለየ፡ ካብ ቅድሚት ክሳዳ ይቐርጥፋ። 9 ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ ይንጸግ፣ ነቲ ዝተረፈ ደም ግና ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ የጽርሮ።+ ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 10 ነታ ኻልአይቲ ድማ ከምቲ ስርዓት ገይሩ ንዚሓርር መስዋእቲ ይግበራ፣+ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት የተዓርቆ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸኣ እዩ።+ 11 “‘ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫቚት ርግቢ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቱ ዚኸውን ዓስራይ ኣፍ ኤፋ*+ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓጢኣት የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዓወሉ፡ ጻዕዳ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ። 12 ናብ ካህን ድማ የምጽኣዮ፣ እቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ* ኪኸውን ዕማዅ ወሲዱ፡ ኣብቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 13 እቲ ኻህን ከኣ ብዛዕባ እቲ ብገለ ኻብዚ ሓጢኣት እዚ ዝገበሮ ሓጢኣት የተዓርቆ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ድማ እዩ።+ እቲ ዝተረፈ መስዋእቲ፡ ከም መስዋእቲ እኽሊ፡+ ነቲ ኻህን ይኹን።’”+ 15 “ሓደ ሰብ* ብዘይፍላጥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ ነገር ብምሕጣእ እንተ ጠሊሙ፡+ ንመስዋእቲ በደል ካብ መጓሰ፡ ከምቲ ብሲቃል መቕደስ* እተገምገመሉ ሲቃል* ብሩር ዝዋግኡ+ ጥዑይ ድዑል ንየሆዋ የምጽኣሉ።+ 16 ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መቕደስ ዝገበሮ ሓጢኣት ከኣ ይኽሓስ፡ ሓምሻይ ኣፍ ድማ ይወስኸሉ።+ እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ገይሩ ምእንቲ ኼተዓርቖ ኸኣ፡+ ነቲ ኻህን ይሃቦ፣ ይቕረ ኺብሃለሉ ድማ እዩ።+ 17 “ሓደ ሰብ* ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ብምግባር እንተ ሓጢኡ፡ ብዘይፍላጥ እኳ እንተ ዀነ፡ በዳሊ እዩ እሞ፡ ብስሕተቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።+ 18 ንመስዋእቲ በደል ከምቲ እተገምገመሉ ኻብ መጓሰ፡ ጥዑይ ድዑል ናብ ካህን የምጽእ።+ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ብዘይፍላጥ ከይሓሰበ ዝገበሮ ጌጋ የተዓርቆ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸኣ እዩ። 19 እዚ መስዋእቲ በደል እዩ። ብርግጽ ንየሆዋ በዲልዎ እዩ።” 21 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሓደ እኳ ኻብ ህዝቡ ብምዉት ሰብ* ኣይርከስ።+ 2 ግናኸ፡ ቀረባ ዘመዱ፡ ኣዲኡ፡ ኣቦኡ፡ ወዱ፡ ጓሉ፡ ሓዉ እንተ ዀይኑ ኸምኡ ኺገብር ይኽእል እዩ። 3 እትቐርቦ ድንግልን ዘይተመርዓወትን ሓብቱ እንተ ዀይና ኸኣ ብእኣ ኪረክስ ይኽእል እዩ። 4 ሓደ ኻብ ህዝቡ ብዘእተዋ ሰበይቲ ኣይርከስ፡ ርእሱ ድማ ኣየሕስር። 5 ርእሶም ኣይምለጡ፡+ ወይ ወሰን ጭሕሞም ኣይላጽዩ፡ ወይ ስጋኦም ኣይብጥሑ።+ 6 ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡+ ስም ኣምላኾም ከኣ ኣየርክሱ፣+ ከመይሲ፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሆዋ፡ ማለት እንጌራ* ኣምላኾም የቕርቡ እዮም፣ ቅዱሳት እውን ይኹኑ።+ 7 ኣመንዝራ፡+ ዝነወረት፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሐት ሰበይቲ+ ኣይመርዓዉ፣ ከመይሲ፡ ካህን ንኣምላኹ ቕዱስ እዩ። 8 ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ቀድሶ።+ ዝቕድሰኩም ኣነ የሆዋ ቕዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ቕዱስ ይኹነልኩም።+ 9 “‘ጓል ካህን ብምንዝርና ርእሳ እንተ ኣርኪሳ፡ ንኣቦኣ ኣርኪሳቶ እያ። ብሓዊ ትንደድ።+ 10 “‘እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት ዝፈሰሶ፡+ ክዳውንቲ ኽህነት ምእንቲ ኪኽደን እተሸመ፡*+ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ፡ ርእሱ ኣየወንጭር፡ ወይ ክዳኑ ኣይቕደድ።+ 11 ናብ ዝዀነ ምዉት ሰብ* ኣይቕረብ።+ ብኣቦኡ ወይ ብኣዲኡ እውን ኣይርከስ። 12 ምልክት ተወፋይነት፡ ማለት ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ+ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ ንመቕደስ ኣምላኹ ድማ ኣየርክሶ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 13 “‘ድንግል ሰበይቲ የእቱ።+ 14 ካብ ህዝቡ ድንግል ዝዀነት ሰበይቲ የእቱ እምበር፡ መበለት፡ ፍትሕቲ፡ ዝነወረት፡ ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ። 15 ዝቕድሶ ኣነ የሆዋ እየ እሞ፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ዘርኡ ኣየርክስ።’”+ 16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 17 “ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ ‘ካብ ዘርእኻ ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ሰብ ንውሉድ ወለዶኡ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 18 ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ኣይቕረብ፣ ማለት ዕዉር፡ ወይ ሓንካስ፡ ወይ ቅርጺ ገጹ እተበላሸወ፡* ወይ ሓደ ኻብ መሓውሩ ሓለፋ ዘለዎ፡ 19 ወይ ስቡር እግሪ፡ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ፡ 20 ወይ መንዳዕ፡ ወይ ድንኪ፡* ወይ ዓይኑ ዝሓበለ፡ ወይ መበላይ ዘለዎ፡ ወይ ተውሳስ ዘለዎ፡ ወይ ፍረ ነፍሱ እተጐድአ+ ኣይቕረብ። 21 ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ዝዀነ ጕድለት ዘለዎ ዘበለ ሰብኣይ፡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሆዋ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ጕድለት ስለ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ኬቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 22 እንጌራ ኣምላኹ ኻብ ቅዱስ ቅዱሳንን+ ካብቲ ቕዱስን ኪበልዕ ይኽእል እዩ።+ 23 ጕድለት ስለ ዘለዎ ግና፡ ናብ ጥቓ እቲ መጋረጃ+ ኣይቕረብ፡ ናብቲ መሰውኢ+ ኸኣ ኣይቕረብ። ዝቕድሶም ኣነ የሆዋ እየ እሞ፡+ ንመቕደሰይ ኣየርክሶ።’”+ 24 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም እስራኤላውያንን ተዛረቦም። 15 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘ሓደ ሰብ ካብ ብልዕቱ* ፈሳሲ እንተ ተኻዕይዎ፡ እቲ ምኽዓው የርክሶ እዩ።+ 3 በቲ ምኽዓው ርኹስ እዩ፣ እቲ ፈሳሲ ኻብ ብልዕቱ ይክዖ ወይ ይተዓገት ርኹስ እዩ። 4 “‘እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ዝደቀሶ ዘበለ ዅሉ ዓራት ርኹስ ይኹን፣ ኮፍ ዚብሎ ዘበለ ዅሉ ድማ ርኹስ ይኹን። 5 ንዓራቱ ዝተንከየ ሰብ ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን።+ 6 ኣብቲ እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ኾፍ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዚብል እውን፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 7 ንስጋ እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ዝተንከየ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 8 እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ንሓደ ንጹህ ጡፍ እንተ ኢሉሉ ድማ፡ ንሱ ኽዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 9 እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ እተወጥሓሉ ዀረሻ ኸኣ ርኹስ ይኹን። 10 ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበረ ዘበለ ነገር ዝተንከየ ዅሉ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፣ ነዚ ዝጾረ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 11 እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ+ ኢዱ ኸይተሓጽበ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 12 እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ዝተንከዮ ኣቕሓ መሬት ድማ ይሰበር፣ ኵሉ ኣቕሓ ዕንጨይቲ ኸኣ ብማይ ይተሓጸብ።+ 13 “‘እቲ ምኽዓው ደው ምስ በለ፡ እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ድማ ካብኡ ምስ ነጽሀ፡ ንምንጻሁ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓጸብ፡ ንጹህ ድማ ይኸውን።+ 14 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ይውሰድ፣+ ናብ ቅድሚ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ እሞ፡ ንኻህን ይሃበን። 15 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሰውኣየን፣ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዚክዓዎ ፈሳሲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ። 16 “‘ሰብኣይ ዘርኡ እንተ ወጺእዎ፡ ብዘሎ ሰብነቱ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን።+ 17 እቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ዘበለ ኽዳንን ቈርበትን ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 18 “‘ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቂሱ እሞ፡ ዘርኡ እንተ ወጺኡ፡ ብማይ ይተሓጸቡ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹሳት ይኹኑ።+ 19 “‘ሰበይቲ ኻብ ሰብነታ ደም እንተ ተኻዕዩዋ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ብጻግኒኣ ርኽስቲ ትኹን።+ ዝተንከያ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።+ 20 ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዘበለ ዅሉ ነገር ርኹስ ይኹን፣ ኮፍ ዝበለቶ ዘበለ ዅሉ ድማ ርኹስ ይኹን።+ 21 ዓራታ ዝተንከየ ዘበለ ዅሉ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 22 ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዘበለ ዝተንከየ ዘበለ ዅሉ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 23 ነቲ ኾፍ ኢላቶ ዝነበረት ዓራት ወይ ካልእ ኣቕሓ ዝተንከየ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።+ 24 ሰብኣይ ምስኣ እንተ ደቂሱ እሞ፡ ጻግኒኣ እንተ ጸይቕዎ፡+ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፣ ንሱ ዚድቅሶ ዘበለ ዅሉ ዓራት ከኣ ርኹስ ይኹን። 25 “‘ሰበይቲ ብግዜ ጻግኒኣ ዘይኰነ ነዊሕ መዓልትታት ደም ምስ ዚፈስሳ፡+ ወይ ካብ ንቡር ጻግኒኣ ንዝነውሐ ግዜ ምስ ዚፈስሳ፡+ ብዅሉ እቲ ዚክዓዋ መዓልትታት፡ ከምቲ መዓልትታት ጻግኒኣ፡ ርኽስቲ ትኹን። 26 በቲ ዚክዓዋ መዓልትታት እትድቅሶ ዘበለ ዅሉ ዓራት፡ ከምቲ ዓራት ጻግኒኣ ይኹን፣+ ኮፍ እትብሎ ዘበለ ዅሉ ኣቕሓ እውን፡ ከምቲ ርኽሰት ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን። 27 ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ርኹስ ይኹን፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን።+ 28 “‘ካብ ምኽዓዋ ምስ ነጽሀት ድማ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ትቝጸር፡ ድሕሪኡ ንጽህቲ ትኸውን።+ 29 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ትውሰድ፣+ ናብ ካህን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን።+ 30 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይግበረን፣ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዚክዓዋ ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቃ።+ 31 “‘ነቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፡ በዚ ኸምዚ ንእስራኤላውያን ካብ ርኽሰቶም ፍለይዎም።+ 32 “‘ፈሳሲ ብዛዕባ ዚክዓዎ፡ ዘርኡ ብምውጻኡ ብዛዕባ ዝረኸሰ ሰብ፡+ 33 ብጻግኒኣ ብዛዕባ ዝረኸሰት፡+ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ብዛዕባ ዚክዓዎ ወዲ ተባዕታይ ኰነ ጓል ኣንስተይቲ፡+ ከምኡ ድማ ምስ ርኽስቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ዝደቀሰ ሰብኣይ፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።’” 22 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮንን ንደቁን፡ ነቲ እስራኤላውያን ንዓይ ዚቕድሱለይ ቅዱስ ነገራት+ ተጠንቂቖም ኪሕዙ* እሞ፡ ንቕዱስ ስመይ ከየርክሱ ንገሮም።+ ኣነ የሆዋ እየ። 3 ንዓታቶም ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ውሉድ ወለዶኹም፡ ካብ ዘርእኹም ረኺሱ ኸሎ ናብቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝቐደስዎ ቕዱስ ነገር ዚቐርብ ዘበለ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ቅድመይ ኪምንቈስ እዩ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 4 ካብ ዘርኢ ኣሮን፡ ድዉይ+ ወይ ፈሳሲ ዚክዓዎ፡+ ክሳዕ ዚነጽህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፣+ ብምዉት ሰብ* ንዝረኸሰ ዝተንከየ፡+ ወይ ዘርኡ እተኻዕዎ፡+ 5 ወይ ሓሰኽሰኽ ዚብል ርኹስ ፍጡር ዝተንከየ፡+ ወይ ብዝዀነ ምኽንያት ኬርክሶ ንዚኽእል ርኹስ ሰብ ዝተንከየ እውን ከምኡ።+ 6 እቲ ገለ ኻብዚ ዝተንከየ ሰብ* ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፡ ካብቲ ቕዱስ ነገር ድማ ኣይብላዕ፣ ሰብነቱ ደኣ ብማይ ይተሓጸብ።+ 7 ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ንጹህ ይኸውን፣ ድሕሪኡ፡ ምግቡ እዩ እሞ፡ ካብቲ ቕዱስ ነገር ይብላዕ።+ 8 ብእኡ ምእንቲ ኸይረክስ ከኣ፡ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝበትበቶ ኣይብላዕ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 9 “‘ብእኡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይጾሩ፡ ንዕኡ ብምርካሶም ድማ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ኣብ ቅድመይ ዘለዎም ግዴታ ይሓልዉ። ዝቕድሶም ኣነ የሆዋ እየ። 10 “‘ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ።+ ጓና ዝዀነ ጋሻ እቲ ኻህን ወይ ዕሱብ እውን ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። 11 ግናኸ፡ ካህን ብገንዘቡ ሰብ እንተ ዓዲጉ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብኡ ይብላዕ። ኣብ ቤቱ እተወልዱ ባሮት እውን ካብቲ እንጌራኡ ይብልዑ።+ 12 ጓል ካህን ምስ ካህን ዘይኰነ* እንተ ተመርዕያ፡ ካብ ቅዱስ መባእ ኣይትብላዕ። 13 ግናኸ፡ ጓል ካህን መበለት እንተ ዀይና፡ ወይ እንተ ተፈቲሓ፡ ከምቲ ብንእስነታ ዝነበረቶ ኸኣ ውሉድ ዘይብላ ናብ ቤት ኣቦኣ እንተ ተመሊሳ፡ ካብ እንጌራ ኣቦኣ ትብላዕ፣+ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ግና ካብኡ ኣይብላዕ። 14 “‘ሰብ ብጌጋ ኻብቲ ቕዱስ ነገር እንተ በሊዑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ነቲ ቕዱስ ነገር ንኻህን ይሃቦ።+ 15 ነቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝሃብዎ ቕዱስ ነገር ኣየርክስዎ።+ 16 ነቶም ህዝቢ ኻብቲ ናታቶም ቅዱስ ነገር ኪበልዑ ብምሕዳግ ከኣ መቕጻዕቲ በደሎም ኣየጹርዎም። ዝቕድሶም ኣነ የሆዋ እየ።’” 17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 18 “ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም እስራኤላውያንን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ እስራኤል ዚቕመጥ ጓና፡ መብጽዓኡ ኺፍጽም ኢሉ ወይ መስዋእቲ ፍታው+ ኪኸውን ኢሉ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡+ 19 ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ ካብ ከብቲ፡ ካብ ገንሸላት፡* ወይ ካብ ኣጣል ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ።+ 20 ተቐባልነት ኣይትረኽበሉን ኢኻ እሞ፡ ጕድለት ዘለዎ ኣይተቕርብ።+ 21 “‘ሰብ መብጽዓኡ ኺፍጽም ኢሉ ወይ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ኢሉ ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት እንተ ኣቕሪቡ፡+ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ ካብ ከብቱ ወይ ካብ ጤለ በጊዑ ጥዑይ የቕርብ። ገለ ጕድለት ኣይሃልዎ። 22 ዕዉር፡ ስቡር፡ ቍሩጽ፡ ጡብ ኣድጊ ዘለዎ፡ ሻሕራም፡ ወይ ተውሳስ ዘለዎ ንመስዋእቲ ኣይተቕርቡ። ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ንየሆዋ ኣይተቕርቡ፣ ወይ ንየሆዋ ኸምዚ ዝበለ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣይትሰውኡ። 23 ሓደ ኻብ መሓውሩ ነዊሕ ወይ ሓጺር ዝዀነ ብዕራይ ወይ በጊዕ ንመስዋእቲ ፍታው ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንመስዋእቲ መብጽዓ ግና ኣይቅቡልን እዩ። 24 ፍረ ነፍሱ እተጐድአ፡ ወይ እተጨፍለቐ፡ ወይ እተመልሐ፡ ወይ እተቘርጸ ንየሆዋ ኣይተቕርቡ፣ ነዞም እንስሳታት እዚኦም ኣብ ምድርኹም ኣይተቕርብዎም። 25 እዚኣቶም ኣበርን ጕድለትን ዘለዎም እዮም እሞ፡ ገለ ኻብዚኣቶም ካብ ኢድ ጓና ተቐቢልኩም እንጌራ ኣምላኽኩም ኪኸውን ኣይተቕርቡ። ቅቡላት ኣይኰኑልኩምን እዮም።’” 26 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 27 “ብተይ ወይ ዕየት ወይ ማሕስእ ምስ ተወልደ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፣+ ካብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኣትሒዙ ግና፡ መስዋእቲ፡ ማለት ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ቅቡል እዩ። 28 ላም ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ።+ 29 “መስዋእቲ ምስጋና ንየሆዋ ምስ እትስውኡ፡+ ተቐባልነት ከም እትረኽቡሉ ጌርኩም ሰውእዎ። 30 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ይበላዕ። ገለ ኻብኡ ኽሳዕ ምሸት ኣይትሕደጉ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 31 “ትእዛዛተይ ሓልዉ፡ ግበርዎ እውን።+ ኣነ የሆዋ እየ። 32 ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ምእንቲ ክቕደስ፡+ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ።+ ዝቕድሰኩም ኣነ የሆዋ እየ፣+ 33 ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም እውን ኣነ የሆዋ እየ።”+ 17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ካባታቶም ድማ ካብ ሹማምንቲ መማይ ቤት፡ ከካብ ማይ ቤት ሓደ በትሪ፡+ 12 በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ በበትሩ ጽሓፍ። 3 ነንርእሲ ማይ ቤት ሓሓደ በትሪ ስለ ዝዀነ፡ ስም ኣሮን ኣብ በትሪ ሌዊ ጽሓፍ። 4 ነቲ ኣባትር ኣብቲ ኣነ ንዓኻትኩም ወትሩ ዝግለጸሉ፡+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንብሮ።+ 5 በትሪ እቲ ኣነ ዝሓረኽዎ ሰብ ድማ ክትጥጥዕ እያ፣+ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምዎ፡ ኣብ ልዕሌኹም እውን ዘጕረምረምዎ ምጕርምራም ከኣ ደው ከብሎ እየ።”+ 6 ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፣ ኵሎም ሹማምንቲ ኸኣ ኣባትር፡ ማለት ነንሹም ማይ ቤት ሓደ በትሪ፡ 12 በትሪ ሃብዎ። በትሪ ኣሮን ከኣ ኣብ መንጎ እተን ኣባትር ነበረት። 7 ሙሴ ድማ ነቲ ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንበሮ። 8 ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስክር ምስ ኣተወ፡ እንሆ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊ፡ ጠጢዓ ጸንሐት፣ ጠጥዕን ዕምባባን ከኣ ኣውጺኣ፡ ብሱል ለውዚ ድማ ፈርያ ነበረት። 9 ሙሴ ኸኣ ንዅለን ኣባትር ካብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ኣውጽአን። ንሳቶም ድማ ርእዮም ነፍሲ ወከፍ በበትሩ ወሰደ። 10 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “በትሪ ኣሮን+ ንደቂ ዕልወት+ ምልክት ክትኰኖም ምእንቲ ኽትሕሎ፡+ ኣብ ልዕለይ ምጕርምራሞም ድማ መወዳእታ ምእንቲ ኺግበረሉን ምእንቲ ኸይሞቱን፡ ናብ ቅድሚ እቲ ምስክር ምለሳ” በሎ። 11 ሙሴ ኸኣ ብኡብኡ ኸምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ። 12 እስራኤላውያን ድማ ንሙሴ፡ “ሕጂ ሞትና፡ ጠፋእና፡ ኵላትና ጠፋእና! 13 ናብ ማሕደር የሆዋ ዝቐረበ ዘበለ ዅሉ ኺመውት እዩ!+ በዚ ኸምዚዶ ሞይትና ኽንውዳእ ኢና፧” በልዎ።+ 30 ሙሴ ድማ ንርእስታት+ ነገዳት እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፦ 2 ሰብ ንየሆዋ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡+ ወይ ኪሕረም ብምምብጻዕ ማሕላ እንተ ምሒሉ፡*+ ቃሉ ኣየፍርስ።+ ንዅሉ እቲ ኺገብሮ እተመባጽዖ ይግበሮ።+ 3 “ሰበይቲ ብግዜ ንእስነታ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንየሆዋ እንተ ተመባጺዓ፡ ወይ ክትሕረም እንተ ተመባጺዓ፡ 4 ኣቦኣ ኸኣ ንመብጽዓኣ ወይ ነቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ* እንተ ሰሚዕዎ እሞ፡ እንተ ዘይተቓዊምዋ፡ ኵሉ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ እውን ይቑም። 5 ኣቦኣ መብጽዓኣ ወይ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ ምስ ሰምዐ እንተ ኸልኪልዋ ግና፡ ኣይቑም። ኣቦኣ ስለ ዝኸልከላ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለላ እዩ።+ 6 “ግናኸ፡ ተመባጺዓ ኸላ ወይ ብታህዋኽ ቃል ብምእታው ገዛእ ርእሳ ኣሲራ ኸላ እንተ ተመርዕያ፡ 7 ሰብኣያ ድማ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ዘይተቓዊምዋ፡ መብጽዓኣ ወይ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቑም። 8 ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኪልዋ ግና፡ ነቲ መብጽዓ ወይ ነቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ብታህዋኽ ዝኣተወቶ ቓል ኬፍርሶ ይኽእል እዩ፣+ የሆዋ ኸኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። 9 “መበለት ወይ ፍትሕቲ መብጽዓ እንተ ተመባጺዓ ግና፡ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ይቑም። 10 “ግናኸ፡ ሰበይቲ ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ መብጽዓ እንተ ተመባጺዓ፡ ወይ ገዛእ ርእሳ ብምእሳር ክትሕረም እንተ ተመባጺዓ፡ 11 ሰብኣያ ድማ ሰሚዑ፡ እንተ ዘይተቓዊምዋ ወይ እንተ ዘይከልኪልዋ፡ ኵሉ መብጽዓኣ ወይ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቑም። 12 ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ንዅሉ መብጽዓኣ ወይ ነቲ ኽትሕረም ኢላ ብማሕላ ዝኣተወቶ መብጽዓ ፈጺሙ እንተ ኣፍሪስዎ ግና፡ ኣይቑም።+ ሰብኣያ ኣፍሪስዎ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። 13 ብዛዕባ ዅሉ መብጽዓ ወይ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ንርእሰ* ምሕሳም ዚእቶ መብጽዓ ምሕራም፡ ሰብኣያ የቝሞ፡ ወይ ሰብኣያ የፍርሶ። 14 ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ እንተ ዘይተቓዊምዋ ግና፡ ኵሉ መብጽዓኣ ወይ ኵሉ እቲ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቐውም። በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስለ ዘይተቓወማ፡ ኣቚምዎ እዩ። 15 ድሕሪ እታ ዝሰምዓላ መዓልቲ፡ ጸኒሑ እንተ ኣፍሪስዎ ግና፡ ሳዕቤናት በደላ ኺጸውር እዩ።+ 16 “እቲ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ኣቦን ኣብ ቤቱ እትነብር ንእሽቶ ጓሉን፡ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ስርዓታት እዚ እዩ።” 35 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ+ ናይ ያሪኮ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን፡ ካብቲ ዚርስተይዎ ርስቲ ንሌዋውያን ዚነብሩለን ከተማታት ኪህብዎም፡ ኣዝዞም፣+ ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ መጓሰዪ እውን ንሌዋውያን ይሃብዎም።+ 3 ንሳቶም ከኣ ነተን ከተማታት ይንበሩለን፣ እቲ መጓሰዪታት ድማ ንማሎምን ንጥሪቶምን ንዅሉ ኻልእ እንስሳኦምን ይኹን። "4 እቲ ንሌዋውያን እትህብዎም ናይተን ከተማታት መጓሰዪታት፡ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ፡ 1,000 እመት* ይኹን።" "5 ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ኣብ ማእከል ሓዲግኩም፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ምብራቕ፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ደቡብ፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ምዕራብ፡ 2,000 እመት ድማ ብሸነኽ ሰሜን ለክዑ። እዚ ነተን ከተማታቶም መጓሰዪታት ኪኸውን እዩ። " 6 “እተን ንሌዋውያን እትህብወን ከተማታት፡ ሰብ ዝቐተለ ኪሃድመለን እትህብወን 6 ኸተማታት ዕቝባ፡+ ኣብ ልዕሊአን ድማ 42 ከተማታት ይኹና። 7 ብድምር ከኣ ንሌዋውያን 48 ከተማታት፡ መምስ መጓሰዪታተን ሃብዎም።+ 8 እተን እትህብዎም ከተማታት፡ ካብ ርስቲ እስራኤላውያን ሃብዎም።+ ካብቶም ብዙሓት፡ ብዙሓት ውሰዱ፣ ካብቶም ሒደት ድማ፡ ሒደት ውሰዱ።+ ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እቲ እተረስተዮ ርስቲ፡ ካብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ።” 10 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ትኣትዉ ኣለኹም።+ 11 ብዘይፍላጥ ሰብ* ዝቐተለ ዚሃድመለን ከተማታት ዕቝባ ኪዀና፡ ንዓኻትኩም ዚምሽኣ ኸተማታት ሕረዩ።+ 12 እቲ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኸይቈመ ምእንቲ ኸይመውት፡+ እተን ከተማታት እቲአን ንዓኻትኩም ካብቲ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ይኹናኹም።+ 13 እተን እትህብወን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ኪዀና እየን። 14 ሰለስተ ኸተማ ኣብ ክነጀው ሸነኽ ዮርዳኖስ፡+ ሰለስተ ኸተማ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከነኣን+ ከተማታት ዕቝባ ኪዀና ሃቡ። 15 እተን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ እቲአን ንእስራኤላውያንን ንጓናን+ ኣብ መንጎኹም ንዘሎ ሰፋርን፡ ኰታስ ብዘይፍላጥ ሰብ* ንዝቐተለ ዘበለ ዅሉ ዚሃድመለን መዕቈቢ ይኹና።+ 16 “‘ግናኸ፡ ብንዋት ሓጺን እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል።+ 17 ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ ድማ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል። 18 ኪቐትል ብዚኽእል ንዋት ዕንጨይቲ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ ድማ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል። 19 “‘እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታል ነፍሲ ይቕተሎ። ምስ ዚረኽቦ፡ ባዕሉ ይቕተሎ። 20 ብጽልኢ እንተ ደፊእዎ ወይ ብኽፍኣት ሓሊኑ* ገለ ነገር እንተ ደርብዩሉ እሞ እንተ ሞይቱ፡+ 21 ወይ ብጽልኢ ተደሪኹ ብኢዱ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ዝወቕዐ ብርግጽ ይቀተል። ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታል ነፍሲ ምስ ዚረኽቦ፡ ይቕተሎ። 22 “‘ግናኸ፡ ብጽልኢ ዘይኰነስ፡ ብድንገት እንተ ደፊእዎ ወይ ብኽፍኣት ከይሓለነ* ኣቕሓ እንተ ደርብዩሉ፡+ 23 ወይ ከይረኣዮ እምኒ እንተ ደርብዩሉ፡ ጸላኢኡ ወይ ጕድኣቱ ዚደሊ ድማ እንተ ዘይነይሩ እሞ እቲ ሰብ እንተ ሞይቱ፡ 24 ሽዑ እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቲ ዝወቕዐን ኣብ መንጎ እቲ ፈዳይ ደምን በዚ ፍርዲ እዚ ይፍረድ።+ 25 እቲ ኣኼባ ነቲ ሰብ ዝቐተለ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም የድሕኖ፣ ናብታ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ ዕቝባ ኸኣ ይምለሶ፣ እቲ ብቕዱስ ዘይቲ እተቐብአ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ድማ ኣብኣ ይቀመጥ።+ 26 “‘ግናኸ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ኻብ ዶብ እታ ዝሃደመላ ኸተማ ዕቝባኡ እንተ ወጺኡ፡ 27 እቲ ፈዳይ ደም ከኣ ኣብ ወጻኢ ዶብ እታ ኸተማ ዕቝባኡ እንተ ረኺብዎ እሞ ነቲ ሰብ ዝቐተለ እንተ ቐቲልዎ፡ ዕዳ ደም የብሉን። 28 ከመይሲ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ ዕቝባኡ ኪቕመጥ ይግብኦ ነይሩ እዩ፣ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና፡ ናብታ ምድሪ ርስቱ ኺምለስ ይኽእል እዩ።+ 29 እዚ ድማ ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ንውሉድ ወለዶኹም ንፍርዲ ዚኸውን ሕጊ ይኹነልኩም። 30 “‘ሰብ* ዝቐተለ ዘበለ ቐታል ነፍሲ ብምስክርነት* መሰኻኽር ይቀተል፣+ ብምስክርነት ሓደ ምስክር ጥራይ ግና፡ ሓደ* እኳ ኣይቀተል። 31 ሞት ዚግብኦ ቐታል ነፍሲ ብርግጽ ይቀተል ደኣ እምበር፡ ካብኡ ጋር ነፍሲ* ኣይትቀበሉ።+ 32 ናብ ከተማ ዕቝባኡ ኻብ ዝሃደመ እውን፡ ሊቀ ኻህናት ከይሞተ ናብ ምድሩ ተመሊሱ ምእንቲ ኪቕመጥ ኢልኩም፡ ጋር ኣይትቀበሉ። 33 “‘ደም ንምድሪ ይብክላ እዩ እሞ፡ ነታ እትነብሩላ ምድሪ ኣይትበክልዋ፣+ ኣብ ምድሪ ንዝፈሰሰ ደም ከኣ፡ ብዘይካ ብደም እቲ ዘፍሰሶ፡ ብኻልእ ዕርቂ የልቦን።+ 34 ኣነ የሆዋ ኣብ ማእከል ህዝቢ እስራኤል እነብር ኣለኹ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝነብረላ፡ ንስኻትኩም ድማ እትቕመጡላ ምድሪ ኣይተርክስዋ።’”+ 31 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሚድያናውያን ሕነ ፍደየሎም።+ ድሕሪኡ፡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ።”*+ 3 ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ኣብቲ ምስ ሚድያን ዚግበር ውግእ* ኬገልግሉን ኣብ ልዕሊ ሚድያን ሕነ የሆዋ ኺፈድዩን፡ ካባኻትኩም ሰባት ኣዕጥቑ። "4 ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ 1,000 ናብቲ ሰራዊት ስደዱ።”" "5 ካብ ኣሽሓት እስራኤል ድማ፡+ ከካብ ነገድ 1,000 ተመደቡ፣ 12,000 ከኣ ንውግእ* ተዓጥቁ። " "6 ሽዑ፡ ሙሴ ነቶም ከካብ ነገድ 1,000 ዝወጹ፡ ናብ ውግእ ሰደዶም፣ እቲ ቕዱስ ኣቕሑን መለኸታት ምልክትን+ ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ካህን እቲ ሰራዊት እውን ምሳታቶም ነበረ።" 7 ንሳቶም ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምስ ሚድያን ተዋግኡ፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ድማ ቀተሉ። 8 ንነገስታት ሚድያን፡ ማለት ነቶም ኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን ዚብሃሉ ሓሙሽተ ነገስታት ሚድያን ከኣ፡ ምስቶም ካልኦት ቅቱላት ቀተልዎም። ንበላዓም ወዲ ቤዖር እውን ብሰይፊ ቐተልዎ።+ 9 እስራኤላውያን ግና፡ ኣንስትን ቈልዑን ማረኹ። ኵለን እንስሳታት ዘቤትን ኵለን ማሎምን ኵሉ ጥሪቶምን ከኣ ዘመቱ። 10 ኵለን እተን ዝሰፈሩለን ከተማታትን ኵሉ ሰፈራቶምን* ድማ ብሓዊ ኣንደዱ። 11 ኵሉ እቲ እተሰልበን ኵሉ እቲ እተዘምተን፡ ማለት ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ወሰዱ። 12 ነቶም ምሩኻትን ነቲ እተዘምተን ነቲ እተሰልበን ከኣ፡ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኣኼባ እስራኤላውያንን፡ ናብቲ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡+ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ዝነበረ ሰፈር ኣምጽእዎ። 13 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኵሎም ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ድማ፡ ኪቕበልዎም ናብ ወጻኢ ወጹ። 14 ሙሴ ግና በቶም ካብ ውግእ እተመልሱ ኣብቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ተቘጥዐ። 15 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንዅለን ደቂ ኣንስትዮዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፧ 16 እንሆ፡ ኣብቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብቓል በላዓም፡ ንእስራኤላውያን ንየሆዋ ኸም ዚጠልሙ ዝገበራኦም ንሳተን እየን፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣኼባ የሆዋ መቕዘፍቲ ወሪዱ።+ 17 ሕጂ ድማ፡ ካብ ቈልዑ፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቕተሉ፣ ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዚፈልጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተሉ። 18 ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገበራ ዅለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ክትሓድግወን ትኽእሉ ኢኹም።+ 19 ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ። ሰብ* ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከኣ፡+ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልትን ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሁ።+ 20 ኵሉ ኽዳውንትን ኵሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ጸጕሪ ጤል እተገብረ ዅሉን ኵሉ ኣቕሓ ዕንጨይትን ከኣ ኣንጽሁ።” 21 ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት ከምዚ በሎም፦ “ስርዓት እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ሕጊ እዚ እዩ፦ 22 ‘ወርቅን ብሩርን ነሓስን ሓጺንን መብሸልን ዓረርን፡ 23 ሓዊ ዚኽእል ኵሉ፡ ብሓዊ ኣሕልፍዎ፡ ኪነጽህ ድማ እዩ። ብዜንጽህ ማይ እውን ይንጻህ።+ ሓዊ ዘይክእል ኵሉ ድማ፡ ብማይ ኣሕልፍዎ። 24 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ክዳውንትኹም ሕጸቡን ንጽሁን፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ።’”+ 25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 26 “ነቲ እተዘምተ፡ ነቲ እተማረኸ ሰብን እንስሳን ቍጸር፣ ነዚ ምስ ካህን ኣልኣዛርን ምስ ርእስታት ማይ ቤታት እቲ ኣኼባን ኴንካ ግበሮ። 27 እቲ እተዘምተ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ውግእ እተሳተፉ ኣባላት እቲ ሰራዊትን ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ኣኼባን ፍርቀ ፍርቂ ጌርካ ምቐሎም።+ 28 ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ፡ ካብ ሰብን ካብ ከብትን ካብ ኣእዱግን ካብ ጤለ በጊዕን፡ ከካብ 500 ሓንቲ ነፍሲ* ንየሆዋ ግብሪ ውሰድ። 29 ካብቲ ፍርቆም ውሰዱ እሞ፡ መባእ የሆዋ ኪኸውን፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።+ 30 ካብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ ከብትን ካብ ኣእዱግን ካብ ጤለ በጊዕን ካብ ኵለን እንስሳ ዘቤትን፡ ከካብ 50 ሓደ ውሰድ፣ ነቶም ኣብ ሓለዋ ማሕደር የሆዋ ሓላፍነት ዘለዎም ሌዋውያን ከኣ ሃቦም።”+ 31 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። "32 እቲ እተሰልበ፡ እቶም ሰብ ውግእ ዝዘመትዎ ዝተረፈ ዝማት፡ 675,000 ጤለ በጊዕ፡" "33 72,000 ከብቲ፡" "34 61,000 ከኣ ኣድጊ ዀነ።" "35 እተን ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዘይፈልጣ ደቂ ኣንስትዮ፡+ 32,000 ደቂ ኣንስትዮ* ኰና።" "36 እቲ ፍርቂ ግደ እቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ፡ 337,500 ጤለ በጊዕ ኰነ።" 37 እቲ ኻብ ጤለ በጊዕ ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ፡ 675 ኰነ። "38 ከብቲ ድማ 36,000፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 72 ኰነ።" "39 ኣእዱግ ድማ 30,500፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 61 ኰነ።" "40 ሰባት* ድማ 16,000፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 32 ሰባት* ኰነ።" 41 ሙሴ ድማ ነቲ ግብሪ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ መባእ የሆዋ ኪኸውን ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።+ 42 ፍርቂ እቲ ሙሴ ኻብ ግደ እቶም እተዋግኡ ሰባት ዝመቐሎም ብጽሒት እስራኤላውያን፡ "43 ፍርቂ እተን ጤለ በጊዕ 337,500፡" "44 ከብቲ 36,000፡" "45 ኣእዱግ 30,500፡" "46 ሰባት* ድማ 16,000 ኰነ።" 47 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብቲ ንእስራኤላውያን ዚብጽሖም ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፡ ከካብ 50 ሓደ ወሲዱ፡ ነቶም ኣብ ሓለዋ ማሕደር የሆዋ ሓላፍነት ዘለዎም ሌዋውያን ሃቦም።+ 48 እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሸሙ+ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ፣ 49 ንሙሴ ኸኣ ኸምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ነቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝና ዘለዉ ተዋጋእቲ ቘጺርናዮም ኢና፣ ሓደ ሰብ እውን ኣይጐደለናን።+ 50 ስለዚ፡ ንሕና* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምትዕራቕ፡ ነፍሲ ወከፍና ዘዝረኸቦ፡ ኣቕሑ ወርቅን ኣልቦን ኣምባርን ቀለቤት ማሕተምን ኵትሻን ካልእ ስልማትን፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኪኸውን ነቕርብ።” 51 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ነቲ ወርቂ፡ ንዅሉ እቲ ስልማት ተቐበልዎም። "52 እቲ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ካብ ኣሕሉቕ ሚእትን ንየሆዋ እተዋህበ ዅሉ መባእ ወርቂ፡ 16,750 ሲቃል* ኰነ።" 53 እቶም ተዋጋእቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ እተዘምተ ነንርእሱ ወሲዱ ነበረ። 54 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ሚእትን ተቐቢሎም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንመዘከርታ ህዝቢ እስራኤል ኪኸውን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣእተውዎ። 18 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ንስኻን ደቅኻን ምሳኻ ኸኣ ማይ ቤትካን በቲ ኣብ ልዕሊ መቕደስ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ስሕተት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም፣+ ንስኻን ደቅኻን ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ኽህነትኩም ዚግበር ዝዀነ ይኹን ስሕተት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም።+ 2 ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ፡ ካብ ነገድ ኣቦታትካ ዝዀኑ ኣሕዋትካ፡ ምሳኻ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንዓኻን ንደቅኻን ከኣ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምስክር+ ምእንቲ ኼገልግሉ+ ኣቕርቦም። 3 ንዓኻን ንብዘሎ እቲ ድንኳንን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ።+ ግናኸ፡ ንሳቶም ኰኑ ንስኻትኩም ምእንቲ ኸይትሞቱ፡+ ናብቲ ኣቕሑ እቲ መቕደስን ናብቲ መሰውእን ኣይቕረቡ። 4 ምሳኻ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኵሉ ኣገልግሎት እቲ ድንኳንን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ፣ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ከኣ ናባኻትኩም ኣይቕረብ።+ 5 ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ተወሳኺ ቝጥዓ ምእንቲ ኸይመጽእ፡+ ነቲ መቕደስን+ ነቲ መሰውእን+ ዘሎኩም ሓላፍነት ፈጽሙ። 6 ኣነ ንኣሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ንዓኻትኩም ውህበት ኪዀኑ ወሲደዮም ኣለኹ።+ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኪፍጽሙ፡ ንየሆዋ እተዋህቡ እዮም።+ 7 ንስኻን ደቅኻን ነቲ ምስቲ መሰውእን ምስቲ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ+ ዘሎን ዚተሓሓዝ ዕዮ ኽህነት ተሓተትቲ ኢኹም፣ ንስኻትኩም ኣገልግሉ።+ ንዓኻትኩም ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህበት ሂበኩም ኣለኹ፣ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ ግና፡ ይቀተል።”+ 8 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓይ ዚውሃብ መባእ ሓላፍነት ሂበካ ኣለኹ።+ ካብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ዚህብዎ ቕዱስ ነገር ሓደ ግደ ንዓኻን ንደቅኻን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ሂበካ ኣለኹ።+ 9 ካብቲ ብሓዊ ዚግበር ቅዱስ ቅዱሳን ዝዀነ መስዋእቲ፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኵሉ መስዋእቲ፡ እንተላይ መስዋእቲ እኽሎምን+ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን+ መስዋእቲ በደሎምን+ ንዓኻ ይኹን። እዚ ንዓኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። 10 ቅዱስ ቅዱሳን ኣብ ዝዀነ ቦታ ብልዓዮ።+ ኵሉ ተባዕታይ ኪበልዖ ይኽእል እዩ። ቅዱስ ድማ ይኹነልካ።+ 11 እቲ እስራኤላውያን ምስ መስዋእቲ ውዝወዛ+ ዚህብዎ መባእ+ እውን ንዓኻ ይኹን። ንዓኻን ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ነዚ ሂበካ ኣለኹ።+ ኣብ ቤትካ ዘሎ ንጹህ ዘበለ ኺበልዖ ይኽእል እዩ።+ 12 “ኵሉ ብሉጽ ዘይትን ኵሉ ብሉጽ ጕዕሽ ወይንን እኽልን፡ እቲ ንየሆዋ ዚህብዎ በዅራት፡+ ንዓኻ ሂበካ ኣለኹ።+ 13 ናብ የሆዋ ዜምጽእዎ ዅሉ በዅሪ ፍረ ምድሮም ንዓኻ ይኹን።+ ኣብ ቤትካ ዘሎ ንጹህ ዘበለ ኺበልዖ ይኽእል እዩ። 14 “ኣብ እስራኤል እተወፈየ ዘበለ ዅሉ፡* ንዓኻ ይኹን።+ 15 “ካብ ኵሉ ህያው* ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዘበለ በዅሪ፡+ ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ንዓኻ ይኹን። ግናኸ፡ ንበዅሪ ሰብ ብርግጽ ተበጀዎ፡+ ንበዅሪ ርኹስ እንስሳ እውን ተበጀዎ።+ 16 ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ምስ ኰነ፡ በቲ 20 ጌራ* ዝዀነ ሲቃል መቕደስ* እተገምገመ ሓሙሽተ ሲቃል* ብሩር፡+ ብዋጋ በጃ ተበጀዎ። 17 በዅሪ ዘበለ ብዕራይ፡ በዅሪ ዘበለ ገንሸል፡* ወይ በዅሪ ዘበለ ጤል ኣይትበጀዎም።+ እዚኣቶም ቅዱሳት እዮም። ደሞም ኣብቲ መሰውኢ ንጸጎ፡+ ስብሖም ከኣ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣሕርሮ።+ 18 ስጋኦም ድማ ንዓኻ ይኹን። ከም ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ከም የማናይ እግርን ንዓኻ ይኹን።+ 19 እስራኤላውያን ንየሆዋ ዚህብዎ ዅሉ ቕዱስ መባእ፡+ ንዓኻን ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ሂበካ ኣለኹ።+ እዚ ንዓኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናይ ሓዋሩ ኺዳን ጨው* እዩ።” 20 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ የብልካን፡ ኣብ መንጎኦም ከኣ ናትካ ግደ ዚኸውን ምድሪ የብልካን።+ ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ግደኻን ርስትኻን ኣነ እየ።+ 21 “ንደቂ ሌዊ ድማ፡ ስለቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግልዎ ኣገልግሎቶም፡ ኵሉ ዕሽር እስራኤል ከም ርስቲ ሂበዮም ኣለኹ።+ 22 ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ምእንቲ ኸይጾሩን ምእንቲ ኸይሞቱን፡ ድሕሪ ደጊም ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ። 23 ሌዋውያን ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ይፈጽሙ፡ ብስሕተቶም ከኣ ንሳቶም ተሓተትቲ ይኹኑ።+ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ርስቲ ኸይርስተዩ፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ 24 እቲ ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ዚህብዎ ዕሽር ንሌዋውያን ርስቲ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ። ስለዚ እየ፡ ‘ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ርስቲ ኣይረስተዩ’ ዝበልክዎም።”+ 25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 26 “ንሌዋውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካብ እስራኤላውያን እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ዝሃብኩኹም ዕሽር ክትወስዱ ኢኹም፣+ ካብኡ ድማ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ንየሆዋ መባእ ኪኸውን ሃቡ።+ 27 እዚ ኸኣ ከም መባእኩም፡ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዚእከብ እኽሊ+ ወይ ከምቲ ኻብ መጽመቝ ወይኒ ወይ መጽመቝ ዘይቲ ዚእከብ ኣኺሉ ዚተርፍ እቶት ይቝጸረልኩም። 28 በዚ ኸምዚ፡ ንስኻትኩም እውን ካብ ኵሉ እቲ ኻብ እስራኤላውያን እተቐበልኩምዎ ዕሽር ንየሆዋ መባእ ትህቡ፣ ካባኡ ኸኣ መባእ የሆዋ፡ ንኻህን ኣሮን ሃቡ። 29 ካብ ኵሉ እቲ እተዋህበኩም ውህበት፡+ ኵሉ እቲ ዝበለጸ፡ ቅዱስ ኪኸውን ንየሆዋ መባእ ሃቡ።’ 30 “ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ እትህቡ፡ ንሌዋውያን ከም እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽመቝ ወይኒ ወይ መጽመቝ ዘይቲ ኪቝጸረሎም እዩ። 31 ስለቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ዓስብኹም ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብ ዝዀነ ቦታ ኽትበልዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።+ 32 ካብኡ እቲ ዝበለጸ ኽሳዕ ዝሃብኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይክትጾሩን ኢኹም፣ ከይትሞቱስ፡ እቲ እስራኤላውያን ዝቐደስዎ ኣይተርክሱ።’”+ 23 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ሸውዓተ መሰውኢ ስርሓለይ እሞ፡+ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ኣዳልወለይ” በሎ። 2 ባላቅ ከኣ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ። ባላቅን በላዓምን ድማ ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ።+ 3 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሓርር መስዋእትኻ ጽናሕ፡ ኣነ ኸኣ ክኸይድ። ምናልባት የሆዋ ይራኸበኒ ይኸውን። እቲ ዚገልጸለይ ነገር ድማ፡ ክነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ መላጥ ኵርባ ኸኣ ደየበ። 4 ኣምላኽ ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡+ ንሱ ኸኣ፡ “ሸውዓተ መሰውኢ ሰሪዐ፣ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰዊአ” በሎ። 5 የሆዋ ኸኣ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ እሞ፡+ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረብ” በሎ። 6 ንሱ ድማ ተመልሰ፣ ባላቅን ኵሎም መሳፍንቲ ሞኣብን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሓርር መስዋእቱ ደው ኢሎም ረኣየ። 7 እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+ “ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ካብ ኣራም ኣምጽኣኒ፡+ካብ ኣኽራን ምብራቕ፦ ‘ንዓ ንያእቆብ ርገመለይ። እወ፡ ንዓ ንእስራኤል ኰንኖ።’+ 8 ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግሞ፧ የሆዋ ንዘይኰነኖኸ ኸመይ ኢለ ክዅንኖ፧+ 9 ካብ ርእሲ ኣኻውሕ እርእዮም ኣለኹ፡ካብ ኵርባታት ከኣ እጥምቶም ኣለኹ። ህዝቢ ዀይኖም በይኖም ይቕመጡ፣+ንርእሶም ከኣ ምስ ኣህዛብ ኣይቈጽርዋን።+ 10 ንሓመድ ያእቆብ መን ኪቘጽሮ ይኽእል፧+ ንርብዒ እስራኤልከ መን ይጽብጽቦ፧ ሞት ጻድቃን እሙት፡*መወዳእታይ ከኣ ከም ናታቶም ይኹን።” 11 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ፧ ንጸላእተይ ክትረግሞም እየ ኣምጺአካ፣ እንሆ ኸኣ፡ ካብ ምምራቕ ሓሊፍካ ሓንቲ ኣይገበርካን” በሎ።+ 12 ንሱ ድማ፡ “እቲ የሆዋ ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ኽዛረብዶ ኣይግብኣንን እዩ፧” ኢሉ መለሰ።+ 13 ባላቅ ከኣ፡ “በጃኻ ኣብኡ ዄንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ሓደ ኽፋሎም ጥራይ ኢኻ ኽትርኢ፡ ኵላቶም ኣይኰንካን ክትርኢ። ኣብኡ ንዓታቶም ርገመለይ” በሎ።+ 14 ናብ መሮር ጾፊም፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ድማ ወሰዶ፣+ ሸውዓተ መሰውኢ ኸኣ ሰርሐ፣ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውአ።+ 15 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሓርር መስዋእትኻ ጽናሕ፡ ኣነ ኸኣ ንዕኡ ኽራኸቦ ኣብቲ ክኸይድ እየ” በሎ። 16 የሆዋ ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡ ቃል ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ ኸኣ፡+ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረብ” በሎ። 17 ንሱ ድማ ናብኡ መጸ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሓርር መስዋእቱ ይጽበ ነበረ፡ መሳፍንቲ ሞኣብ እውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ከኣ፡ “የሆዋ እንታይ ኢሉካ፧” ኢሉ ሓተቶ። 18 ንሱ ድማ እዚ ምስላ እዚ መሰለ፦+ “ባላቅ ተንስእ፡ ስማዕ። ኣታ ወዲ ጺጶር ጽን በል። 19 ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን፣+ሓሳቡ ኸይልውጥ* ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን።+ ነቲ ዚብሎስ ኣይገብሮንዶ፧ ነቲ ዚዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧+ 20 እንሆ፡ ክምርቕ ተኣዚዘ እየ፣ንሱ ባሪኹ እዩ እሞ፡+ ኣነ ኽመልሶ ኣይክእልን እየ።+ 21 ኣንጻር ያእቆብ ዚግበር ስሒር ዕሽሽ ኣይብልን፡ኣብ እስራኤል ከኣ ዝዀነ ሽግር ኣይፈቅድን። የሆዋ ኣምላኹ ምሳታቶም እዩ፡+ኣብ መንጎኦም ድማ ከም ንጉስ እልል ይብሃለሉ። 22 ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦም።+ ከም ኣቕርንቲ ጐባይ ከኣ ይዀነሎም።+ 23 ኣንጻር ያእቆብሲ ናይ ጥፍኣት ፋል የልቦን፡+ኣንጻር እስራኤል ከኣ ጥንቍልና የልቦን።+ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን፡‘ኣምላኽ ዝገበሮ ርኣዩ!’ ይብሃል። 24 ከም ኣንበሳ ዝተንስአ ህዝቢ እንሆ፡ከም ኣንበሳ ድማ ይልዓል።+ ግዳይ ክሳዕ ዚበልዕ፡ደም ቅቱላት ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን።” 25 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “ክትረግሞ ኻብ ዘይከኣልካስ፡ በል ኣይትመርቆ” በሎ። 26 በላዓም ከኣ ንባላቅ፡ “‘እቲ የሆዋ ዚብሎ ዅሉ እየ ዝገብር’ ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን፧” ኢሉ መለሰሉ።+ 27 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “በጃኻ ንዓ፡ ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ። ኣብኡ ዄንካ ኽትረግመለይሲ፡ ምናልባት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን” በሎ።+ 28 ባላቅ ከኣ ንበላዓም ናብቲ ናብ የሺሞን* ኣቢሉ ዜማዕዱ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ።+ 29 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ሸውዓተ መሰውኢ ስርሓለይ፣ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ከኣ ኣዳልወለይ” በሎ።+ 30 ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፣ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውአ። 34 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡+ ወሰናት እታ ርስቲ ዀይና እትውሃበኩም ምድሪ፡ ማለት ምድሪ ከነኣን፡ እዚ እዩ።+ 3 “‘ደቡባዊ ዶብኩም ካብቲ ኣብ ጐድኒ ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ኣትሒዙ ይኺድ፣ ብምብራቕ ዘሎ ናይ ደቡብ ዶብኩም ድማ ካብ ጫፍ ባሕሪ ጨው* ይኹን።+ 4 ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም+ ሓሊፉ ናብ ጺን ምእንቲ ኪቕጽል ኣንፈት ይቐይር፣ ጫፉ ኸኣ ደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ይኹን። ብሓጻር-ኣዳር+ ኣቢሉ ኸይዱ ድማ ናብ ዓጽሞን ይቐጽል። 5 እቲ ዶብ ኣብ ዓጽሞን ናብ ርባ* ግብጺ ኣቢሉ ኣንፈት ይቐይር፣ ጫፉ ድማ ባሕሪ* ይኹን።+ 6 “‘ምዕራባዊ ዶብኩም እቲ ዓብዪ ባሕርን* ገማግሙን ይኹን። ምዕራባዊ ዶብኩም እዚ ይኹን።+ 7 “‘ሰሜናዊ ዶብኩም ከኣ እዚ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ምልክት ዶብኩም ግበሩ። 8 ካብ ከረን ሆር ክሳብ ለቦ-ሓማት*+ ምልክት ዶብ ግበሩ፣ ጫፍ እቲ ዶብ ድማ ኣብ ጸዳድ ይኹን።+ 9 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ኣቢሉ ይኺድ፣ ጫፉ ኸኣ ሓጻር-ዔናን ይኹን።+ ሰሜናዊ ዶብኩም እዚ ይኹን። 10 “‘ብምብራቕ ድማ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳብ ሼፋም ዶብኩም ኪኸውን ምልክት ግበሩ። 11 እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ናብ ምብራቕ ዓዪን ኣቢሉ ይኺድ፣ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ፡ ምብራቓዊ ቝልቍለት ባሕሪ ኪነረት* ይሳገር።+ 12 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ይኺድ፣ ጫፉ ኸኣ ባሕሪ ጨው ይኹን።+ ምድርኹምን ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶባታን እዚ ይኹን።’”+ 13 ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ከምቲ የሆዋ ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትውሃብ ዝኣዘዞ ጌርኩም ብዕጫ ተማቒልኩም እትርስተይዋ ምድሪ እዚኣ እያ።+ 14 ነገድ ሮቤላውያን በብማይ ቤቶምን ነገድ ጋዳውያን በብማይ ቤቶምን ፍርቂ ነገድ ምናሴንሲ ርስቶም ወሲዶም እዮም።+ 15 እቶም ክልተ ነገድን ፈረቓን ናብ ምብራቕ እቲ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ዘሎ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ርስቶም ወሲዶም እዮም።”+ 16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 17 “ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ ዚመቕሉኹም ሰባት እዚ እዩ፦ ካህን ኣልኣዛርን+ እያሱ+ ወዲ ነዌን። 18 ነታ ምድሪ ንርስትኹም ምእንቲ ኽትመቕልዋ ድማ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ።+ 19 ስማት እቶም ሰባት እዚ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፡+ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፣ 20 ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን፡+ ሸሙኤል ወዲ ዓሚሁድ፣ 21 ካብ ነገድ ብንያም፡+ ኤልዳድ ወዲ ኪስሎን፣ 22 ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡+ ሹም ቡቂ ወዲ ዩግሊ፣ 23 ካብ ደቂ ዮሴፍ፡+ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡+ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ፣ 24 ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡+ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን፣ 25 ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡+ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ፣ 26 ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡+ ሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን፣ 27 ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡+ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ፣ 28 ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡+ ሹም ጰዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ።” 29 እቶም ንእስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ከነኣን ምድሪ ኺመቕልዎም የሆዋ ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።+ 19 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “ስርዓት እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ሕጊ እዚ እዩ፦ ‘ጕድለት ዘይብላን ኣርዑት ዘይጾረትን ጥዕይቲ ሓምራ* ላም ኬምጽኡልካ፡+ ንእስራኤላውያን ንገሮም። 3 ንዓኣ፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ፣ ንሱ ድማ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኡ ትተሓረድ። 4 ካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብ ደማ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ናብ ሸነኽ ቕድሚት እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ደማ ብቐጥታ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ።+ 5 እታ ላም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ትንደድ። ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስ ፈርሳ ይንደድ።+ 6 እቲ ኻህን ከኣ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ሃዛብን+ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፡ ናብቲ እታ ላም እትነድደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ። 7 እቲ ኻህን ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ* እውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕሪኡ ናብ ሰፈር ይእቶ፣ ግናኸ፡ እቲ ኻህን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 8 “‘እቲ ነታ ላም ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ* እውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን። 9 “‘ንጹህ ዝዀነ ሰብ፡ ሓምዅሽቲ እታ ላም ኣኪቡ፡+ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ፣ እዚ ኸኣ ንምድላው ዜንጽህ ማይ ኪኸውን ብኣኼባ እስራኤላውያን ይተሓሎ።+ ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 10 እቲ ሓምዅሽቲ እታ ላም ዝኣከበ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። “‘እዚ ንእስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ 11 ሬሳ* ዝተንከየ ዘበለ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኸውን።+ 12 ንሱ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ በቲ ማይ* ገይሩ ይንጻህ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነጺሁ ግና፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣይኪነጽህን እዩ። 13 ናይ ዝዀነ ዝሞተ ሰብ ሬሳ* ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሀ፡ ማሕደር የሆዋ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡+ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ እስራኤል ይመንቈስ።+ እቲ ዜንጽህ ማይ+ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ። ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ይጸንሕ። 14 “‘ሰብ ኣብ ድንኳን ምስ ዚመውት፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፦ ኣብቲ ድንኳን ዚኣቱ ዘበለ ዅሉን ድሮ ኣብቲ ድንኳን ዝነበረ ዘበለ ዅሉን፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። 15 ኣብ ልዕሊኡ እተኣስረ መኽደኒ ዘይብሉ ዅሉ ኽፉት ኣቕሓ ርኹስ ይኹን።+ 16 ኣብ መሮር ብሰይፊ እተቐትለ፡ ወይ ሬሳ፡ ወይ ዓጽሚ ሰብ፡ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።+ 17 ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓምዅሽቲ እቲ ዝሓረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፣ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኻብ ፈልፋሊ ማይ የፍስሱሉ። 18 ሓደ ንጹህ ሰብ+ ድማ ሃዛብ+ ይውሰድ እሞ፡ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣቕሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን* ኣብ ልዕሊ እቲ ዓጽሚ ወይ ቅቱል ወይ ሬሳ ወይ መቓብር ዝተንከየን ይንጸግ። 19 እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንጸግ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ካብ ሓጢኣት ኬንጽሆ እዩ፣+ ንሱ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ምሸት እውን ኪነጽህ እዩ። 20 “‘ዝረኸሰ እሞ ዘይነጽሀ ሰብ ግና፡ መቕደስ የሆዋ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብቲ ጉባኤ ይመንቈስ።+ እቲ ዜንጽህ ማይ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተነጽጎን፣ ስለዚ፡ ርኹስ እዩ። 21 “‘እዚ ድማ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹነሎም፦ እቲ ነቲ ዜንጽህ ማይ ዚነጽግ+ ክዳውንቱ ይሕጸብ፣ እቲ ነቲ ዜንጽህ ማይ ዚትንኪ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 22 ርኹስ ዝተንከዮ ዘበለ ነገር፡ ርኹስ ይኹን፣ ነቲ ነገር እቲ ዝተንከዮ ሰብ* ከኣ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።’”+ 20 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ናብ በረኻ ጺን ኣተወ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ።+ ሚርያም+ ከኣ ኣብኡ ሞተት፡ ኣብኡ እውን ተቐብረት። 2 ነቲ ኣኼባ ዚኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፣+ ንሳቶም ከኣ ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተኣከቡ። 3 እቶም ህዝቢ ኸኣ ኸምዚ ኢሎም ንሙሴ ተቛየቝዎ፦+ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺሞቱ ኸለዉ እንተ ንመውት፡ መን ምሃበ፧ 4 ንሕናን ማልናን ኣብዚ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንጉባኤ የሆዋ ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጺእኩምዎ፧+ 5 ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ እዚኣ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደዪብኩምና፧+ ንዘርእን ንበለስን ንወይንን ንሮማንን እትኸውን ቦታ ኣይኰነትን፡ ዚስተ ማይ እውን የብላን።”+ 6 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ መጺኦም፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ፣ ክብሪ የሆዋ ድማ ተራእዮም።+ 7 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 8 “ነታ በትሪ ውሰዳ እሞ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ነቲ ኣኼባ ኣክብዎ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረብዎ እሞ፡ ንሱ ማዩ ኺህበኩም እዩ፣ ንስኻ ኸኣ ካብቲ ኸውሒ እቲ ማይ ከተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንማሎምን ድማ ከተስቲ ኢኻ።”+ 9 ሙሴ ኸኣ ከምቲ ዝኣዘዞ፡ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወሰዳ።+ 10 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ነቲ ጉባኤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣከብዎ፣ ንሱ ድማ፡ “ኣቱም ዓለውቲ ሕጂ ስምዑ! ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧” በሎም።+ 11 ሽዑ፡ ሙሴ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፣ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ፣ እቲ ኣኼባን ማሎምን ከኣ ሰተዩ።+ 12 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ “ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩምን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝቢ እስራኤል ስለ ዘይቀደስኩምንን፡ ነዚ ጉባኤ እዚ ናብታ ዝህቦም ምድሪ ኣይከተእትውዎን ኢኹም” በሎም።+ 13 እዚ እቲ እስራኤላውያን ምስ የሆዋ እተቛየቑሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ መንጎኦም እተቐደሰሉ ማይ መሪባ* እዩ።+ 14 ሙሴ ኸኣ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም ልኡኻት ለኣኸ፦+ “ሓውካ እስራኤል+ ከምዚ ይብል፦ ‘ኵሉ እቲ ዝረኸበና ሽግር ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። 15 ኣቦታትና ናብ ግብጺ ወረዱ፣+ ኣብ ግብጺ ኸኣ ብዙሕ ዓመታት* ተቐመጥና፣+ ግብጻውያን ድማ ንዓናን ንኣቦታትናን ገፍዑና።+ 16 ናብ የሆዋ ኸኣ ኣእወና፡+ ንሱ ድማ ሰምዓና፡ መልኣኹ ልኢኹ እውን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።+ ኣብታ ኣብ ዶብ ሃገርካ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ከኣ እነና። 17 በጃኻ፡ ብምድርኻ ኣሕልፈና። ብግራት ወይ ብኣታኽልቲ ወይኒ ኣይክንሓልፍን ኢና፣ ካብ ዒላ ኸኣ ማይ ኣይክንሰትን ኢና። ብሃገርካ ኽሳዕ እንሓልፍ፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ከየላገስና ብመገዲ ንጉስ ክንከይድ ኢና።’”+ 18 ኤዶም ግና፡ “ወጺአ ብሰይፊ ኸይቀባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሕለፍ” በሎ። 19 እስራኤላውያን ከኣ፡ “ብጐደና ኢና እንድይብ፣ ንሕናን ማልናን ካብ ማይካ እንተ ሰቲና ድማ፡ ክንከፍል ኢና።+ ብእግሪ ኽንሓልፍ ጥራይ ኢና እንደሊ” በልዎ።+ 20 ንሱ ግና፡ “ኣይትሓልፍን” በለ።+ ኤዶም ከኣ ምስ ብዙሕ ህዝብን ምስ ሓያል ሰራዊትን* ኪቀባበሎ ወጸ። 21 በዚ ኸምዚ፡ ኤዶም ንእስራኤል ብሃገሩ ምሕላፍ ከልኦ፣ ስለዚ፡ እስራኤል ካብኡ ኣልገሰ።+ 22 ህዝቢ እስራኤል፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኻብ ቃዴስ ነቒሉ ናብ ከረን ሆር መጸ።+ 23 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ዶብ ምድሪ ኤዶም ከምዚ በሎም፦ 24 “ኣሮን ናብ ህዝቡ ኺእከብ እዩ።*+ ኣብ ማይ መሪባ ኻብ ትእዛዘይ ስለ ዝዓሎኹም፡ ናብታ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ኣይኪኣቱን እዩ።+ 25 ንኣሮንን ንወዱ ኣልኣዛርን ውሰድ እሞ፡ ናብ ከረን ሆር ኣደይቦም። 26 ክዳውንቲ ኣሮን+ ቀንጢጥካ፡ ንወዱ ኣልኣዛር+ ክደኖ፣ ኣሮን ከኣ ኣብኡ ኺመውት እዩ።”* 27 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ናብ ከረን ሆር ደየቡ። 28 ሙሴ ድማ ንኣሮን ክዳውንቱ ቐንጢጡ፡ ንወዱ ኣልኣዛር ከደኖ። ድሕሪኡ፡ ኣሮን ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ።+ ሙሴን ኣልኣዛርን ከኣ ካብቲ ኸረን ወረዱ። 29 ኵሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረኣየ፡ ብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን 30 መዓልቲ በኸዩሉ።+ 3 በታ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና+ እተዛረበላ መዓልቲ፡ መስመር ወለዶ ኣሮንን ሙሴን* እዚ እዩ። 2 ስማት ደቂ ኣሮን እዚ እዩ፦ ናዳብ እቲ በዅርን ኣቢሁን+ ኣልኣዛርን+ ኢታማርን።+ 3 ስማት ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት ኪዀኑ እተሸሙ* ቕቡኣት ካህናት እዚ እዩ።+ 4 ግናኸ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይተፈቕደ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞቱ፣ ኣወዳት ከኣ ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን+ ኢታማርን+ ግና፡ ምስ ኣቦኦም ኣሮን ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ። 5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 6 “ንነገድ ሌዊ+ ኣምጺእካ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣሮን ደው ኣብሎም፣ ንሳቶም ከኣ የገልግልዎ።+ 7 ኣገልግሎት ማሕደር እናገበሩ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ንዕኡን ንዅሉ እቲ ኣኼባን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ። 8 ንዅሉ ኣቕሑ ድንኳን ምርኻብ ይከናኸኑ፡+ ኣገልግሎት ማሕደር እናገበሩ ድማ ንእስራኤላውያን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ።+ 9 ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም። ንሳቶም ካብ እስራኤላውያን ንዕኡ እተዋህቡ ውህበት እዮም።+ 10 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ሽሞም፣ ንሳቶም ከኣ ክህነቶም ይፈጽሙ።+ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ይቀተል።”+ 11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12 “እንሆ፡ ኣነ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ* እስራኤላውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ወሲደዮም እየ እሞ፡+ ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። 13 በዅሪ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ።+ በታ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡+ ኣብ እስራኤል በዅሪ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ንዓይ ቀዲሰዮ እየ።+ ናተይ ይኹኑ። ኣነ የሆዋ እየ።” 14 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና+ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 15 “ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን መዝግቦም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ መዝግቦ።”+ 16 ሙሴ ኸኣ ብትእዛዝ የሆዋ፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ መዝገቦም። 17 ስማት ደቂ ሌዊ እዚ እዩ፦ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን።+ 18 ስማት ደቂ ጌርሾን በብዓሌቶም እዚ እዩ፦ ሊብኒን ሺምዒን።+ 19 ደቂ ቀሃት ከኣ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ዓምራምን ይጽሃርን ኬብሮንን ዑዚኤልን።+ 20 ደቂ መራሪ ድማ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ማሕሊን+ ሙሺን።+ ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም። 21 ካብ ጌርሾን፡ ዓሌት ሊብናውያንን+ ዓሌት ሺምዓውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት ጌርሾናውያን እዮም። "22 ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ እተመዝገቡ ዅሎም ተባዕትዮ ኸኣ፡ 7,500 ነበረ።+" 23 ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ እቲ ማሕደር፡+ ብሸነኽ ምዕራብ ሰፈሩ። 24 ሹም ማይ ቤት ጌርሾናውያን ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ። 25 ደቂ ጌርሾን+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘለዎም ሓላፍነት ከኣ፡ ክንክን እቲ ማሕደርን እቲ ድንኳንን+ መኽደኒኡን+ መጋረዲ*+ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን 26 መኸወሊታት*+ ኣጸድን መጋረዲ*+ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማዱን ኵሉ እቲ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣገልግሎትን ነበረ። 27 ካብ ቀሃት፡ ዓሌት ዓምራማውያንን ዓሌት ይጽሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት ቀሃታውያን+ እዮም። "28 ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ ኸኣ፡ 8,600 ነበረ። ነቲ መቕደስ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ድማ ነበሮም።+" 29 ዓሌታት ደቂ ቀሃት ብሸነኽ ደቡብ እቲ ማሕደር ሰፈሩ።+ 30 ሹም ማይ ቤት ዓሌታት ቀሃታውያን ከኣ፡ ኤሊጻፋን ወዲ ዑዚኤል እዩ።+ 31 ሓላፍነቶም ከኣ፡ ክንክን ታቦትን+ ሰደቓን+ ቀዋሚ ቐንዴልን+ መሰውኢታትን+ ኣብቲ መቕደስ ዜገልግል ኣቕሑን+ መጋረድን*+ ኵሉ እቲ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣገልግሎትን ነበረ።+ 32 ርእሲ ሹማምንቲ ሌዋውያን ድማ ኣልኣዛር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ነበረ። ንሱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክንክን መቕደስ ሓላፍነት ዝነበሮም፡ ሓላዊ* ነበረ። 33 ካብ መራሪ፡ ዓሌት ማሕላውያንን ዓሌት ሙሻውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት መራሪ እዮም።+ "34 ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ እተመዝገቡ ዅሎም ተባዕትዮ፡ 6,200 ነበረ።+" 35 ሹም ማይ ቤት ዓሌታት መራሪ ኸኣ፡ ጹሪኤል ወዲ ኣቢሓይል እዩ። ንሳቶም ብሸነኽ ሰሜን እቲ ማሕደር ሰፈሩ።+ 36 ሓላፍነት ደቂ መራሪ ድማ፡ ሓለዋ* መቓናት ሉሕ+ ማሕደርን ተገዳማቱን+ ኣዕኑዱን+ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን+ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኵሉን+ 37 ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዘሎ ኣዕኑድን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ ሽኻላቱን ኣግማዱን ነበረ። 38 እቶም ኣብ መንጽር እቲ ማሕደር ብምብራቕ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዚሰፍሩ ኸኣ፡ ሙሴን ኣሮንን ደቁን እዮም። ንሳቶም ነቲ መቕደስ ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ከም ግዴታኦም ገይሮም ኪከናኸኑ ሓላፍነት ነበሮም። ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ኪቕተል ነበሮ።+ "39 ኵሎም እቶም ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ የሆዋ በብዓሌቶም ዝመዝገብዎም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ ሌዋውያን፡ 22,000 ነበሩ። " 40 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ንዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ በዅራት እስራኤላውያን መዝግቦም፡+ ቍጸሮም፡ ስሞም ከኣ ጽሓፍ። 41 ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን፡+ ንእንስሳታት ዘቤት ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እንስሳታት ዘቤት እስራኤላውያን ንዓይ ውሰዶም።+ ኣነ የሆዋ እየ።” 42 ሙሴ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ንዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን መዝገቦ። "43 ቍጽሪ እቶም በብስሞም እተመዝገቡ ኻብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ በዅራት ድማ፡ 22,273 ነበረ። " 44 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 45 “ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን፡ ንእንስሳታት ዘቤት ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ እንስሳታት ዘቤቶም ውሰድ፣ ሌዋውያን ከኣ ናተይ ይኹኑ። ኣነ የሆዋ እየ። 46 ዋጋ በጃ+ እቶም ሓለፋ ሌዋውያን ዝዀኑ 273 በዅሪ እስራኤላውያን ድማ፡+ 47 ንነፍሲ ወከፍ ብሲቃል መቕደስ* ሓሙሽተ ሲቃል* ውሰድ።+ ሓደ ሲቃል፡ 20 ጌራ* እዩ።+ 48 ዋጋ በጃ እቶም ሓለፋኦም ዝዀኑ ኪኸውን ድማ፡ እቲ ገንዘብ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።” 49 ሙሴ ኸኣ ካብቶም ሕልፊ ዋጋ በጃ ሌዋውያን ዝዀኑ፡ ገንዘብ ዋጋ በጃ ወሰደ። "50 ካብ በዅራት እስራኤላውያን፡ ብሲቃል መቕደስ 1,365 ሲቃል ገንዘብ ወሰደ።" 51 ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል* የሆዋ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ገንዘብ ዋጋ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም። 24 በላዓም ድማ ንእስራኤል ምምራቕ፡ ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ* ምስ ረኣየ፡ ገጹ ናብ በረኻ መለሰ እምበር፡ ከም ብሓድሽ ናይ ጥፍኣት ፋል ኪደሊ ኣይከደን።+ 2 በላዓም ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ እስራኤል በብነገዱ ሰፊሩ ምስ ረኣየ፡+ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ መጸ።+ 3 እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+ “በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡ 4 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ራእይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ዝረኣየ፡ኣዒንቱ ተቐሊዐናሉ ዚሰግድ ከምዚ ይብል፦+ 5 ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡ኣታ እስራኤል ድማ መሓድርካ ኽንደይ ይጽብቕ!+ 6 ከም ስንጭሮታት፡*ኣብ ገምገም ፈለግ ከም ዘሎ ስፍራ ኣታኽልቲ፡የሆዋ ኸም ዝተኸሎ ዓልወታት፡ኣብ ጥቓ ማይ ከም ዘሎ ቄድሮስ ነዊሕ ይዝርጋሕ።+ 7 ካብ ክልተ መገለሊኡ ማይ ይጅርብብ፡ዘርኡ ድማ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ይዝራእ።+ ንጉሱ+ ኸኣ ካብ ኣጋግ ኪዓቢ እዩ፡+መንግስቱ እውን ልዕል ክትብል እያ።+ 8 ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፣ከም ኣቕርንቲ ጐባይ ይዀነሎም። ንኣህዛብ፡ ንጨቈንቱ ኺበልዖም እዩ፡+ኣዕጽምቶም ኪቝርጥም፡ ብፍላጻታቱ ኺሰባብሮም እዩ። 9 ከም ኣንበሳ ተዀርምዩን በጥ ኢሉን ኣሎ፣ከም ኣንበሳኸ፡ መን ደፊሩ የተንስኦ፧ ዚምርቑኻ ምሩቓት፡ዚረግሙኻ ኸኣ ርጉማት እዮም።”+ 10 ባላቅ ከኣ ብበላዓም ነደረ። ባላቅ ድማ ብባጫ ብኣእዳዉ ኣጣቕዐ እሞ፡ ንበላዓም ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፣+ ንስኻ ግና ሰለስተ ሳዕ ካብ ምምራቕ ሓሊፍካ ሓንቲ ኣይገበርካን። 11 ሕጂ ቐልጢፍካ ናብ ቦታኻ ኺድ። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፣+ እንሆ ግና፡ የሆዋ ኸይትኸብር ከሊኡካ።” 12 በላዓም ከኣ ንባላቅ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነቶም ዝለኣኽካዮም ልኡኻት፡ 13 ‘ባላቅ፡ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እኳ እንተ ዚህበኒ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ሓሊፈ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ካብ ፍቓደይ* ኽገብር ኣይክእልን እየ። እቲ የሆዋ ዚብለኒ ጥራይ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፧+ 14 ሕጂ ኸኣ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ መጻኢ* ንህዝብኻ ዚገብሮ ንዓ ኽነግረካ።” 15 እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+ “በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡+ 16 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ራእይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ዝረኣየ፡ኣዒንቱ ተቐሊዐናሉ ዚሰግድ ከምዚ ይብል፦ 17 እርእዮ ኣለኹ፡ ሕጂ ግና ኣይኰነን፣እጥምቶ ኣለኹ፡ ቀረባ ግና ኣይኰነን። ካብ ያእቆብ ኰዀብ+ ኪወጽእ፡ካብ እስራኤል ከኣ ዘንጊ+ ኺትንስእ እዩ።+ ግምባር ሞኣብ፡*ቀረንቀራ ዅሎም ደቂ ህውከት ድማ ብርግጽ ኪሰብር እዩ።+ 18 ኤዶም ከኣ ርስቲ ኪኸውን፡+እወ፡ ሰዒር+ ርስቲ ጸላእቱ ኪኸውን፡+እስራኤል ከኣ ትብዓቱ ኼርኢ እዩ። 19 ካብ ያእቆብ ዝወጸ ድማ ኪገዝእ፡+ካብታ ኸተማ ንዝተረፈ ኸኣ ኬጥፍእ እዩ።” 20 ንኣማሌቅ ምስ ረኣዮ፡ ከምዚ ኢሉ ምስላኡ መሰለ፦ “ኣማሌቅ ካብ ኣህዛብ ቀዳማይ እዩ፣+ኣብ መወዳእታ ግና፡ ኪጠፍእ እዩ።”+ 21 ንቄናውያን+ ምስ ረኣዮም፡ ከምዚ ኢሉ ምስላኡ መሰለ፦ “እትቕመጠሉ ጽኑዕ፡ መንበሪኻ ኸኣ ኣብ ከውሒ እተነብረ እዩ። 22 ቃዪን ግና ኪነድድ እዩ። ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካኸ ኽንደይ ኰን ይኸውን፧” 23 ከምዚ ኢሉ ድማ ምስላኡ መሰለ፦ “ወዮ! ኣምላኽ ነዚ ኺገብር ከሎስ፡ መን ብህይወት ኪተርፍ እዩ፧ 24 ካብ ገምገም ኪቲም+ መራኽብ ኪመጻ እየን፡ንኣሶር ከኣ ኪገፍዕዎ፡+ንዔበር ድማ ኪገፍዕዎ እዮም። ንሱ እውን ፈጺሙ ኺጠፍእ እዩ።” 25 በላዓም+ ድማ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅ እውን መገዱ ኸደ። 32 ደቂ ሮቤልን+ ደቂ ጋድን+ ድማ ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦም፣ ምድሪ ያዕዜርን+ ምድሪ ጊልዓድን ከኣ ንማል ዚኸውን ጽቡቕ ቦታ ኸም ዝዀነ ረኣዩ። 2 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ቀሪቦም ከምዚ በሉ፦ 3 “ዓጣሮትን ዲቦንን ያዕዜርን ኒምራን ሔስቦንን+ ኤልዓለን ሴባምን ኔቦን+ ቤዖንን፡+ 4 እዛ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ እስራኤል ዝሰዓራ ምድሪ፡+ ንማል እትኸውን ጽብቕቲ ምድሪ እያ፣ ገላዉኻ ኸኣ ብዙሓት ማል ኣለዋና።”+ 5 ኣስዕብ ኣቢሎም እውን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺብናስ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንገላዉኻ ርስቲ ጌርካ ትወሃብ። ንዮርዳኖስ ኣይተሳግረና” በሉ። 6 ሙሴ ድማ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብዚ ተቐሚጥኩም ከለኹምዶ፡ ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ኪኸዱ እዮም፧ 7 ስለምንታይ ንህዝቢ እስራኤል ናብታ የሆዋ ዚህቦም ምድሪ ኸይሳገሩ ተስፋ እተቝርጽዎም፧ 8 ንኣቦታትኩም ነታ ምድሪ ኺርእዩ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ሰደድክዎም፡ ከምኡ እዮም ገይሮም።+ 9 ናብ ስንጭሮ* ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ረኣይዋ፡+ ንህዝቢ እስራኤል ናብታ የሆዋ ዚህቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኣቝረጽዎም።+ 10 በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓ የሆዋ ነደደ እሞ፡ ከምዚ ኢሉ መሓለ፦+ 11 ‘እቶም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ኻብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት፡ ብምሉእ ልቦም ስለ ዘይሰዓቡኒ፡ ነታ ኣነ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም+ ምድሪ ኣይኪርእይዋን እዮም፣+ 12 ብዘይካ እቶም ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዝሰዓብዎ ካሌብ+ ወዲ የፉነ እቲ ቄኒዛውን እያሱ+ ወዲ ነዌን፡ ካልኦት ኣይኪርእይዋን እዮም።’+ 13 ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኵሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ዚገብር ዝነበረ ወለዶ ኽሳዕ ዚውዳእ ድማ፡+ 40 ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኣበሎም።+ 14 ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ነቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል እተበርትዑ ዘርኢ ሓጥኣን ሰባት ኴንኩም ኣብ ክንዲ ኣቦታትኩም ተንሲእኩም ኣለኹም። 15 ካብ ምስዓቡ እንተ ተመሊስኩም፡ ንሱ እውን ብርግጽ መሊሱ ኣብ በረኻ ኺሓድጎም እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ድማ ጥፍኣት ከተምጽኡ ኢኹም።” 16 ንሳቶም ከኣ ጸኒሖም ናብኡ ቐሪቦም ከምዚ በሉ፦ “ኣብዚ ንማልና ደምበታት፡ ንቘልዑና ድማ ከተማታት ንስራሕ። 17 ንሕና ግና ናብ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም፡ ንውግእ ድሉዋት ኴንና፡+ ቀቅድሚ እስራኤላውያን ንኺድ። ቈልዑና ኸኣ ካብ ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ዚመጽእ ሓደጋ ዕቝባ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ እተዓርዳ ኸተማታት ይቀመጡ። 18 ነፍሲ ወከፍ ካብ እስራኤላውያን ረርስቱ ኽሳዕ ዚርስተ፡ ናብ ኣባይትና ኣይክንምለስን ኢና።+ 19 ርስትና ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ስለ እተቐበልና፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ኣብ ክንዮኡን ምሳታቶም ኣይክንርስተን ኢና።”+ 20 ሙሴ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዚ ነገር እዚ እንተ ጌርኩም፡ ማለት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ኣልዒልኩም፡+ 21 ጸላእቱ ኻብ ቅድሚኡ ኺሰጕጎም ከሎ፡ ኵላትኩም ኣጽዋር ኣልዒልኩም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊርኩም፡+ 22 እታ ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ እትግዛእ ከምኡ እንተ ጌርኩም፡+ ድሕሪኡ ኽትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋን እስራኤልን ድማ ብዘይ በደል ትዀኑ። ሽዑ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርስትኹም ክትከውን እያ።+ 23 እዚ እንተ ዘይጌርኩም ግና፡ ንየሆዋ ኽትብድልዎ ኢኹም። ሓጢኣትኩም ከም ዜርክበኩም ድማ ፍለጡ። 24 ንቘልዑኹም ከተማታት፡ ንመጓሰኹም ከኣ ደምበታት ስርሑ፣+ እቲ ቓል ዝኣቶኹምዎ ድማ ግበርዎ።” 25 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ከኣ ንሙሴ ኸምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝኣዘዞ ኺገብሩ እዮም። 26 ቈልዑናን ኣንስትናን ማልናን ኵሉ እንስሳታት ዘቤትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልዓድ ይኹኑ፣+ 27 ገላዉኻ ግና፡ ከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ንውግእ እተዓጥቁ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዋግኡ ኺሳገሩ እዮም።”+ 28 ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌን ንርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ። 29 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ኵላቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንውግእ ተዓጢቖም ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮም፡ እታ ምድሪ ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዚኣ፡ ሽዑ ምድሪ ጊልዓድ ርስቲ ጌርኩም ሃብዎም።+ 30 ኣጽዋር ኣልዒሎም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳጊሮም ግና፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ መንጎኹም ይስፈሩ።” 31 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱ፦ “ከምቲ የሆዋ ንገላዉኻ ዝበሎም፡ ከምኡ ኽንገብር ኢና። 32 ኣጽዋር ኣልዒልና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ምድሪ ከነኣን ክንሳገር ኢና፣+ እቲ እንወርሶ ርስቲ ግና ኣብዚ ኣብ ክነጀው ሸነኽ ዮርዳኖስ ይኹነልና።” 33 ሙሴ ኸኣ ንዓታቶም፡—ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን+ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ+ ወዲ ዮሴፍን፡—መንግስቲ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን፡ መንግስቲ ዖግ+ ንጉስ ባሳን፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ዘላ ምድሪ እተን ከተማታት፡ ኣብ ዙርያ እታ ምድሪ ዘለዋ ኸተማታት ሃቦም። 34 ደቂ ጋድ ድማ፡ ዲቦንን+ ዓጣሮትን+ ዓሮዔርን+ 35 ዓጥሮት-ሾፋንን ያዕዜርን+ ዮግበሃን+ 36 ቤት-ኒምራን+ ቤት-ሃራንን+ ዚብሃላ እተዓርዳ ኸተማታትን ንመጓሰኦም ዚኸውን ደምበታትን ሰርሑ።* 37 ደቂ ሮቤል ከኣ ሔስቦንን+ ኤልዓለን+ ቂርያታዪምን+ 38 ኔቦን+ በዓል-ሜዖንን፡+—ስማተን እተለወጠ፡—ሲብማን ሰርሑ፣ ነተን ዳግም ዝሰርሕወን ከተማታት ድማ ስም ለወጡለን። 39 ደቂ ማኪር+ ወዲ ምናሴ ኸኣ ናብ ጊልዓድ ከይዶም ሓዝዋ፣ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ሰጐጕዎም። 40 ሙሴ ኸኣ ንማኪር ወዲ ምናሴ ጊልዓድ ሃቦ፡ ንሱ ድማ ኣብኣ ተቐመጠ።+ 41 ያኢር ወዲ ምናሴ ኸኣ ከይዱ ዓድታት ድንኳናቶም ሓዘ፣ ሓዎት-ያኢር* ኢሉ ድማ ሰመየን።+ 42 ኖባ ኸኣ ከይዱ ንቄናትን ዓድታታን ሓዘ፣ ብስሙ ድማ ኖባ ኢሉ ሰመያ። 7 ሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝወድኣላ መዓልቲ+ ንዕኡን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን+ ቀብኦን+ ቀደሶን። ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡+ 2 እቶም ሹማምንቲ እስራኤል፡+ እቶም ርእስታት ማይ ቤታቶም፡ መባእ ኣቕረቡ። እዞም ኣብቲ ምዝገባ መሪሕነት ዝነበሮም ሹማምንቲ ነገዳት፡ 3 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሽዱሽተ ኽዱናት ሰረገላን 12 ብዕራይን፡ ማለት ክልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፡ ነፍሲ ወከፍ ሹም ከኣ ሓደ ብዕራይ ከም መባእ ኣምጽኡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደር ድማ ኣቕረብዎ። 4 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 5 “እዚ ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኬገልግል እዩ እሞ፡ ካባታቶም ተቐበሎ፣ ንሌዋውያን ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከምቲ ንኣገልግሎቱ ዜድልዮ ሃቦም።” 6 ሙሴ ኸኣ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሃቦም። 7 ንደቂ ጌርሾን ከምቲ ንኣገልግሎቶም ዜድልዮም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሃቦም፣+ 8 ንደቂ መራሪ ድማ ከምቲ ንኣገልግሎቶም ዜድልዮም ኣርባዕተ ሰረገላን ሸሞንተ ብዕራይን ሃቦም፣ እዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ነበረ።+ 9 ንደቂ ቀሃት ግና፡ ኣገልግሎቶም ኣብ መቕደስ ስለ ዝነበረ፡+ ነቲ ቕዱስ ነገራት ድማ ኣብ መንኵቦም ይጾርዎ ስለ ዝነበሩ፡ ገለ እኳ ኣይሃቦምን።+ 10 እቶም ሹማምንቲ ኸኣ ኣብ መመረቕታ*+ እቲ መሰውኢ፡ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ መባኦም ኣቕረቡ። እቶም ሹማምንቲ መባኦም ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ምስ ኣቕረቡ፡ 11 የሆዋ ንሙሴ፡ “ንመመረቕታ እቲ መሰውኢ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ መባኦም የቕርቡ” በሎ። 12 እቲ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ። 13 መባኡ ኸኣ፦ ብሲቃል መቕደስ*+ 130 ሲቃል* ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 14 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ* ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 15 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣* 16 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 17 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል* ዓመትን። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ።+ 18 ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር፡ ሹም ይሳኮር፡ መባእ ኣቕረበ። 19 ዘቕረቦ መባእ ከኣ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 20 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 21 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 22 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 23 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ። 24 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን 25 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 26 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 27 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 28 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 29 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ። 30 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ሮቤል፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር 31 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 32 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 33 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 34 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 35 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር እዚ እዩ። 36 ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ 37 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 38 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 39 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 40 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 41 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ እዚ እዩ። 42 ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ጋድ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል 43 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 44 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 45 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 46 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 47 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ። 48 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ኤፍሬም፡ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ 49 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 50 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 51 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 52 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 53 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ። 54 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ምናሴ፡ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር 55 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 56 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 57 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 58 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 59 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር እዚ እዩ። 60 ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም+ ደቂ ብንያም፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ 61 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 62 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 63 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 64 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 65 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ እዚ እዩ። 66 ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ሹም፡ ደቂ ዳን፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ 67 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 68 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 69 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 70 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 71 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ እዚ እዩ። 72 ኣብ መበል 11 መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ኣሴር፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን 73 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 74 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 75 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 76 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 77 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን እዚ እዩ። 78 ኣብ መበል 12 መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን 79 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 80 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 81 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 82 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 83 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን እዚ እዩ። 84 እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ፡ ካብቶም ሹማምንቲ እስራኤል እተዋህበ መባእ መመረቕታኡ+ እዚ እዩ፦ 12 ጻሕሊ ብሩር፡ 12 ጭሔሎ ብሩር፡ 12 ጽዋእ ወርቂ፡+ "85 ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር 130 ሲቃል ዚምዘን፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ 70 ሲቃል ዚምዘን፡ ኵሉ ኣቕሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ+ 2,400 ሲቃል ኰነ፣" 86 እተን ዕጣን ዝመልኣ 12 ጽዋእ ወርቂ፡ ብሲቃል መቕደስ ዓዓሰርተ ሲቃል ዚምዘና፡ ኵሉ ወርቂ እቲ ጽዋኣት 120 ሲቃል ኰነ። 87 ኵሎም እቶም ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ 12 ዝራብዕ፡ 12 ድዑል፡ 12 ገንሸል ዓመት መምስ መስዋእቲ እኽሊ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ 12 ወጠጦ፣ 88 ኵሎም እቶም ንመስዋእቲ ሕብረት ዚዀኑ ኸብቲ ድማ፡ 24 ብዕራይ፡ 60 ድዑል፡ 60 ድቤላ፡ 60 ገንሸል ዓመት ኰኑ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ+ እተዋህበ መባእ መመረቕታኡ+ እዚ እዩ። 89 ሙሴ ምስ ኣምላኽ* ንምዝራብ+ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዚኣቱ፡ ካብ ልዕሊ መኽደን ታቦት ምስክር፡+ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል+ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፣ ኣምላኽ ከኣ ይዛረቦ ነበረ። 12 ሙሴ ኩሻዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ስለ ዝነበረ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብምኽንያት እታ ዘእተዋ ኩሻዊት ሰበይቲ ነቐፍዎ።+ 2 “የሆዋስ ብሙሴ ጥራይ ድዩ ተዛሪቡ፧ ብኣና እውን ኣይተዛረበን ድዩ፧” ድማ በሉ።+ የሆዋ ኸኣ ይሰምዕ ነበረ።+ 3 እቲ ሰብኣይ፡ ማለት ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዝነበረ ሰብ ኵሉ፡ ዓቃል*+ ነበረ። 4 የሆዋ ኸኣ ብሃንደበት ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ “ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ውጹ” በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ። 5 ድሕሪኡ፡ የሆዋ ብዓንዲ ደበና ወረደ፣+ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ኸኣ፡ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም። ክልቲኦም ድማ ናብ ቅድሚት ከዱ። 6 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “በጃኹም ዘረባይ ስምዑ። ኣብ መንጎኹም ነብዪ የሆዋ እንተሎ፡ ኣነ ብራእይ+ እፍለጠሉ፡ ብሕልሚ+ ድማ እዛረቦ። 7 ምስ ጊልያይ ሙሴ ግና ከምኡ ኣይኰነን! ንዕኡ ዅላ ቤተይ ብሕድሪ ተዋሂባቶ ኣላ።*+ 8 ብግልጺ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ+ እምበር፡ ብሕንቅሕንቅሊተያት ኣይኰነን፣ ትርኢት የሆዋ ድማ ይርኢ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ንጊልያይ ሙሴ ምንቃፍ ዘይፈራህኩም፧” 9 ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣባታቶም ነደደ፣ ንሱ ድማ ካባታቶም ከደ። 10 እቲ ደበና ኸኣ ካብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣልገሰ፣ እንሆ ድማ፡ ሚርያም ብደዌ ተወቒዓ ኸም ውርጪ ጻዕደወት።+ ኣሮን ከኣ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ እሞ፡ ብደዌ ተወቒዓ ረኣየ።+ 11 ብኡብኡ ኣሮን ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ጐይታይ፡ እልምነካ ኣለኹ! በጃኻ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘልና! ብዕሽነት ኢና እዚ ጌርና። 12 በጃኻ፡ ፍርቂ ስጋኡ ተበሊዑ ኸም እተወልደ ምዉት ክትከውን ኣይትሕደጋ።” 13 ሙሴ ድማ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ በጃኻ ኣሕውያ! በጃኻ!” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ።+ 14 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምተዋረደትን፧ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ትወሸብ፣+ ድሕሪኡ ድማ ትመለስ” ኢሉ መለሰሉ። 15 ሚርያም ከኣ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ተወሸበት፣+ እቲ ህዝቢ ድማ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ ኣይነቐለን። 16 ድሕሪኡ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት+ ነቐለ፡ ኣብ በረኻ ጳራን+ ከኣ ሰፈረ። 1 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡+ የሆዋ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና፡+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ+ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን፡* በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን በብቝጽሪ ስም ኵሉ ተባዕታይን በብውልቂ* ቝጸርዎም።+ 3 ንስኻን ኣሮንን ንዅሎም እቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ+ ዝዀኑ ኣብ እስራኤል ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ በብሰራዊት መዝግብዎም። 4 “ርእሲ ማይ ቤቱ ዚኸውን፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ምሳኻትኩም ውሰዱ።+ 5 ስማት እቶም ምሳኻትኩም ደው ዚብሉ ሰብኡት እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሮቤል፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር፣ 6 ካብ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ፣ 7 ካብ ይሁዳ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ፣ 8 ካብ ይሳኮር፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር፣ 9 ካብ ዛብሎን፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን፣ 10 ካብ ደቂ ዮሴፍ፦ ካብ ኤፍሬም፡+ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ፣ ካብ ምናሴ፡ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር፣ 11 ካብ ብንያም፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ፣ 12 ካብ ዳን፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ፣ 13 ካብ ኣሴር፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን፣ 14 ካብ ጋድ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል፣ 15 ካብ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን። 16 እቶም ካብቲ ኣኼባ እተጸውዑ እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ሹማምንቲ ነገዳት ኣቦታቶም፡+ ርእስታት ኣሽሓት እስራኤል እዮም።”+ 17 ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም እተሰምዩ ሰብኡት ወሰዱ። 18 ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸኣ፡ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን በብውልቂ ምእንቲ ኺምዝገቡ፡ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣከቡ። 19 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ በረኻ ሲና መዝገቦም።+ 20 ደቂ ሮቤል እቲ በዅሪ እስራኤል+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ በብውልቂ ተቘጽሩ። "21 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ሮቤል እተመዝገቡ ድማ፡ 46,500 ነበረ። " 22 ደቂ ስምኦን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ በብውልቂ ተቘጽሩ። "23 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ስምኦን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 59,300 ነበረ። " 24 ደቂ ጋድ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "25 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ጋድ እተመዝገቡ ድማ፡ 45,650 ነበረ። " 26 ደቂ ይሁዳ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "27 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ይሁዳ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 74,600 ነበረ። " 28 ደቂ ይሳኮር+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "29 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ይሳኮር እተመዝገቡ ድማ፡ 54,400 ነበረ። " 30 ደቂ ዛብሎን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "31 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ዛብሎን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 57,400 ነበረ። " 32 ካብ ኤፍሬም እተወልዱ ደቂ ዮሴፍ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "33 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተመዝገቡ ድማ፡ 40,500 ነበረ። " 34 ደቂ ምናሴ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "35 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ምናሴ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 32,200 ነበረ። " 36 ደቂ ብንያም+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "37 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ብንያም እተመዝገቡ ድማ፡ 35,400 ነበረ። " 38 ደቂ ዳን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "39 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ዳን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 62,700 ነበረ። " 40 ደቂ ኣሴር+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "41 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ኣሴር እተመዝገቡ ድማ፡ 41,500 ነበረ። " 42 ደቂ ንፍታሌም+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። "43 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ንፍታሌም እተመዝገቡ ኸኣ፡ 53,400 ነበረ። " 44 እቶም ሙሴ ምስ ኣሮንን ምስቶም ነንማይ ቤቶም ዚውክሉ 12 ሹማምንትን ኰይኑ ዝመዝገቦም እዚኣቶም እዮም። 45 ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም እስራኤላውያን በብማይ ቤቶም ተመዝገቡ። "46 ድምር ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ድማ፡ 603,550 ነበረ።+ " 47 ሌዋውያን+ ግና ብነገድ ኣቦታቶም ምሳታቶም ኣይተመዝገቡን።+ 48 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 49 “ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይትመዝግቦ፡ ቍጽሮም ድማ ምስ እስራኤላውያን ኣይትጸብጽቦ።+ 50 ንሌዋውያን ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣቕሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ዅሉን ሽሞም።+ ንሳቶም ድማ ነቲ ማሕደርን ንዅሉ ኣቕሑኡን ይጹሩ፡+ ኣብኡ ኸኣ የገልግሉ፡+ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ድማ ይስፈሩ።+ 51 እቲ ማሕደር ኪነቅል ከሎ፡ ሌዋውያን የውርድዎ፣+ እቲ ማሕደር ኪሰፍር ከሎ ኸኣ፡ ሌዋውያን ይትከልዎ። ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ይቀተል።+ 52 “ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ኣብቲ እተመደበሉ ሰፈር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ነናቱ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ*+ በብሰራዊቱ ድንኳኑ ይትከል። 53 ሌዋውያን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ እስራኤላውያን ቍጥዓ ምእንቲ ኸይልዓል፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ።+ ሌዋውያን ድማ ነቲ ማሕደር ምስክር ዘለዎም ሓላፍነት ይሰከሙ።”*+ 54 ህዝቢ እስራኤል ከኣ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። ልክዕ ከምኡ ገበሩ። 36 ርእስታት ዓሌት ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡+ ወዲ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ ድማ ናብ ቅድሚ ሙሴን ናብ ቅድሚ እቶም ርእስታት እስራኤላውያን ዝዀኑ ሹማምንትን ቀሪቦም ተዛረቡ። 2 ከምዚ ድማ በሉ፦ “የሆዋ ንጐይታይ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤላውያን ርስቲ ኽትከውን ብዕጫ ኺዕድሎም ኣዚዝዎ እዩ፣+ የሆዋ ድማ ንጐይታይ፡ ርስቲ ሓውና ጸሎፍሓድ፡ ንኣዋልዱ ኺህበን ኣዚዝዎ እዩ።+ 3 ንሳተን ካብ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ሰብኡት እንተ ተመርዕየን፡ ርስቲ እተን ኣንስቲ ኻብ ርስቲ ኣቦታትና ኺውሰድ፡ ናብ ርስቲ እቲ ተመርዕየን ዝኸዳኦ ነገድ ድማ ኪውሰኽ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብቲ ብዕጫ እተረስተናዮ ኺንከ እዩ። 4 ንህዝቢ እስራኤል ዓመት እልልታ+ ምስ ኰነሎም ከኣ፡ ርስቲ እተን ኣንስቲ ናብ ርስቲ እቲ ተመርዕየን ዝኸዳኦ ነገድ ኪውሰኽ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ርስተን ካብ ርስቲ ነገድ ኣቦታትና ኺንከ እዩ።” 5 ሙሴ ድማ ብትእዛዝ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነገድ ደቂ ዮሴፍ እተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ። 6 የሆዋ ንኣዋልድ ጸሎፍሓድ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፦ ‘ንዝደለያኦ ይመርዓዋ፣ ግናኸ፡ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦአን ጥራይ ይኹን። 7 እስራኤላውያን ርስቲ ነገድ ኣቦታቶም የጽንዑ እምበር፡ ርስቲ እስራኤላውያን ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ። 8 ካብ ነገዳት እስራኤል ርስቲ እተረስተየት ዘበለት ጓል ድማ፡ ካብ ነገድ ኣቦኣ ንእተወልደ፡ ሰበይቱ ትኹን፣+ በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ርስቲ ኣቦታቶም ኪርስተዩ ይኽእሉ። 9 ነገዳት እስራኤል ረርስቶም የጽንዑ እምበር፡ ርስቲ ዘበለ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።’” 10 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ።+ 11 ስለዚ፡ እተን ማሕላ፡ ቲርጻ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ኖዓ ዚብሃላ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ፡+ ንደቂ ሓወቦታተን ተመርዓዋ። 12 ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ንእተወልዱ ሰብኡት፡ ኣንስቲ ዀና፣ በዚ ኸምዚ፡ ርስተን ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦአን ተረፈ። 13 እቲ የሆዋ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ፡ ንእስራኤላውያን ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።+ 29 “‘ኣብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ እታ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ እያ።+ 2 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ከኣ፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል* ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ሰውኡ፣ 3 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 4 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 5 ንምትዕራቕኩም ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ሰውኡ። 6 እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸከም ስርዓቱ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ኪኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ዀይኑ ዚቐርብ ወርሓዊ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን+ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን+ ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን+ እዩ። 7 “‘ኣብ ዓስረይቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ፡+ ርእስኹም ድማ ኣሕስሙ።* ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 8 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ።+ 9 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 10 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 11 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ዕርቂ መስዋእቲ ሓጢኣትን+ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ። 12 “‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ፣ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ንየሆዋ በዓል ኣብዕሉ።+ 13 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን፡ 13 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ።+ 14 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም 13 ዝራብዕ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ነቶም 2 ድዑል ድማ፡ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 15 ነቶም 14 ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 16 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+ 17 “‘ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ 12 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 18 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 19 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+ 20 “‘ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ 11 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 21 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 22 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+ 23 “‘ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ 10 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 24 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 25 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+ 26 “‘ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ 9 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 27 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 28 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+ 29 “‘ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ 8 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 30 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 31 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+ 32 “‘ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ 7 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 33 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዓሎም በብቝጽሮም፡ 34 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+ 35 “‘ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ፍሉይ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 36 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 37 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 38 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+ 39 “‘እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ መብጽዓኹምን+ መስዋእቲ ፍታውኩምን+ ዚሓርር መስዋእትኹምን+ መስዋእቲ እኽልኹምን+ መስዋእቲ መስተኹምን+ መስዋእቲ ሕብረትኩምን፡+ ንየሆዋ ኣብ በዓላትኩም ክትስውእዎ ኢኹም።’”+ 40 ሙሴ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንዕኡ ዝኣዘዞ፡ ንእስራኤላውያን ነገሮም። 28 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘መስዋእተይ፡ ማለት እንጌራይ፡ ተጠንቂቕኩም ኣቕርቡለይ። ንጥዑም ጨና ዚዀነኒ ብሓዊ ዚግበር መስዋእተይ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ይገበር።’+ 3 “ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ንየሆዋ እተቕርብዎ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዚ እዩ፦ ነቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ነንመዓልቲ ጥዑያት ክልተ ገንሸል* ዓመት።+ 4 ነቲ ሓደ ገንሸል ንግሆ ሰውኣዮ፣ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ጽልግልግ ምስ በለ* ሰውኣዮ፣+ 5 ምስኡ ኸኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ብርብዒ ሂን* ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ ኣቕርብ።+ 6 እዚ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ኣብ ከረን ሲና ዝቘመ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ፣ 7 ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ መስተ፡ ማለት ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይቕረብ።+ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ንየሆዋ መስዋእቲ መስተ ኪኸውን ኣብቲ መቕደስ ኣፍስሶ። 8 ጽልግልግ ምስ በለ* ኸኣ፡ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ንግሆ ድማ ምስ መስዋእቲ እኽልን ምስ መስዋእቲ መስተን፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርብ።+ 9 “‘ብመዓልቲ ሰንበት+ ድማ ጥዑያት ክልተ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣቕርብ። 10 እዚ ምስቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ መስተኡን ንሰንበት ዚኸውን ዚሓርር መስዋእቲ እዩ።+ 11 “‘ኣብ መመጀመርታ ወርሒ* ድማ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ጥዑያት ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ኣቕርቡ፣+ 12 ነንሓደ ዝራብዕ ድማ፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡+ ነቲ ሓደ ድዑል ከኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡+ 13 ነንሓደ ገንሸል ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ዀይኑ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቡ።+ 14 መስዋእቲ መስተኦም ከኣ ንዝራብዕ ፍርቂ ሂን ወይኒ፡+ ንድዑል ሲሶ ሂን፡+ ንገንሸል ከኣ ርብዒ ሂን ይኹን።+ እዚ ኣብ ምሉእ ዓመት ኣብ ወወርሒ ዚቐርብ ወርሓዊ ዚሓርር መስዋእቲ እዩ። 15 ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ንየሆዋ ይሰዋእ። 16 “‘ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ፋስጋ የሆዋ ይኹን።+ 17 ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ እቲኣ ድማ፡ በዓል ይኹን። ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ይበላዕ።+ 18 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 19 ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቡ። ጥዑያት እንስሳታት ይኹኑ።+ 20 ምስኡ ኸኣ ብዘይቲ ኻብ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ መስዋእቲ እኽሊ ሰውኡ፣+ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ንድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ይኹን። 21 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ሰውእ፣ 22 ንምትዕራቕኩም ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ሰውእ። 23 ብዘይካ እቲ ንናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ናይ ንግሆ ዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ፡ እዚ ሰውኡ። 24 ከምኡ ጌርኩም ኣብ መመዓልቲ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ እንጌራ፡ ማለት ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ሰውኡ። ምስቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ መስተኡን ይሰዋእ። 25 ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 26 “‘ብመዓልቲ በዅሪ ፍረ፡+ ንየሆዋ ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ ኸተቕርቡ ኸለኹም፡+ ኣብቲ በዓል ሰሙናትኩም ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 27 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ኣቕርቡ፣+ 28 ንመስዋእቲ እኽሎም ድማ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 29 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ድማ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ይኹን፣ 30 ንምትዕራቕኩም ከኣ ሓደ ወጠጦ ኣቕርቡ።+ 31 ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን፡ እዚ ሰውኡ። ጥዑያት እንስሳታት ይኹኑ፣+ ምስ መስዋእቲ መስተኦም ድማ ይቕረቡ። 8 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፦ ‘ቀነዲል ከተብርህ ከለኻ፡ እቲ ሸውዓተ ቐንዴል ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዘሎ ቦታ ይብራህ።’”+ 3 ኣሮን ከኣ ከምኡ ገበረ፦ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ እቲ ቐነዲል ነቲ ኣብ ቅድሚ ቐዋሚ ቐንዴል+ ዘሎ ቦታ ኸም ዜብርህ ገበሮ። 4 ኣሰራርሓ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምዚ እዩ፦ ካብ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ እተሰርሐ ነበረ፣ ካብ ጕንዱ ኽሳዕ ዕምባባታቱ፡ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ እተሰርሐ ነበረ።+ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዘርኣዮ ራእይ+ ኰይኑ እተገብረ ነበረ። 5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 6 “ንሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ውሰዶም፡ ኣንጽሃዮም ከኣ።+ 7 ከምዚ ጌርካ ኣንጽሃዮም፦ ካብ ሓጢኣት ዜንጽህ ማይ ንጸገሎም፡ ብዘሎ ሰብነቶም ድማ ብመላጸ ይላጸዩ፡ ክዳውንቶም እውን ይሕጸቡ፡ ይንጽሁ ኸኣ።+ 8 ድሕርዚ፡ ሓደ ዝራብዕ፡+ ምስኡ ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ይውሰዱ፣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ከኣ ካልእ ዝራብዕ ውሰድ። 9 ንሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፣ ንዅሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ኣክቦ።+ 10 ንሌዋውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸተቕርቦም ከለኻ፡ እስራኤላውያን ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሌዋውያን የንብሩ።+ 11 ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፡ ካብ እስራኤላውያን መስዋእቲ ውዝወዛ+ ኪዀኑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦም፡* ኣገልግሎት የሆዋ ኸኣ ይግበሩ።+ 12 “ሌዋውያን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም ዝራብዓት የንብሩ፣+ ንሌዋውያን ምእንቲ ኸተተዓርቖም+ ከኣ፡ ሓደ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ንዚሓርር መስዋእቲ ጌርካ፡ ንየሆዋ ሰውኣዮም። 13 ንሌዋውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ደው ኣብሎም እሞ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ኣቕርቦም።* 14 ንሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ፍለዮም፣ ሌዋውያን ድማ ናተይ ኪዀኑ እዮም።+ 15 ድሕሪኡ፡ ሌዋውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ኺኣትዉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኣንጽሃዮም፡ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ድማ ኣቕርቦም።* 16 ከመይሲ፡ ካብ መንጎ እስራኤላውያን ንዓይ እተዋህቡ ውህበት እዮም። ኣብ ክንዲ ዅሎም በዅሪ* እስራኤላውያን፡+ ንዓይ ክወስዶም እየ። 17 ስለምንታይሲ፡ ሰብ ኰነ፡ እንስሳ ዀነ፡+ ኵሉ በዅሪ እስራኤላውያን ናተይ እዩ። በታ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ዝቐተልኩላ መዓልቲ፡+ ንዓይ ቀዲሰዮም እየ። 18 ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን ከኣ፡ ንሌዋውያን ክወስዶም እየ። 19 ህዝቢ እስራኤል ናብቲ መቕደስ ብምቕራቦም ናብ እስራኤላውያን መዓት ምእንቲ ኸይወርድ፡+ ሌዋውያን ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉን+ ንእስራኤላውያን ኬተዓርቑን፡ ካብ እስራኤላውያን ንኣሮንን ንደቁን ከም ውህበት ክህቦም እየ።” 20 ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያንን ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም። እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩሎም። 21 ሌዋውያን ከኣ ነጽሁ፡ ክዳውንቶም እውን ሓጸቡ፣+ ድሕሪኡ፡ ኣሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ኣቕረቦም።*+ ኣሮን ድማ ንምንጻሆም ኣተዓረቖም።+ 22 ድሕርዚ፡ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎቶም ኪገብሩ ኣተዉ። ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበሩሎም። 23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24 “ንሌዋውያን ዚምልከት እዚ እዩ፦ ካብ ወዲ 25 ዓመት ንላዕሊ፡ ምስቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ጕጅለ ይጸምበር። 25 ካብ ወዲ 50 ዓመት ንላዕሊ ግና፡ ምስቶም ጕጅለ ኻብ ምግልጋል የቋርጽ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ኣየገልግል። 26 ነቶም ኣብ ክንክን ድንኳን ምርኻብ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋቱ ኼገልግል ይኽእል እዩ፣ ኣብቲ ኣብኡ ዚግበር ኣገልግሎት ግና ኣይዕየ። ብዛዕባ ሌዋውያንን ብዛዕባ ሓላፍነታቶምን ከምኡ ግበር።”+ 11 እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምሪሮም ኣጕረምረሙ። የሆዋ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ቍጥዓኡ ነደደ፣ ካብ የሆዋ ዝወጸ ሓዊ ኸኣ ኣባታቶም ተባርዐ እሞ፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ በልዐ። 2 እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩ፣ ሙሴ ኸኣ ናብ የሆዋ ተማህለለ፣+ እቲ ሓዊ ድማ ጠፍአ። 3 ሓዊ የሆዋ ኣባታቶም ስለ እተባርዐ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ* ተባህለት።+ 4 እቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ ህዝቢ*+ ኸኣ ህርፋኑ ገለጸ፣+ እስራኤላውያን እውን ከምዚ እናበሉ መሊሶም በኸዩ፦ “እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፧+ 5 እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳን ኣጕርስን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን እባ ዘኪርና!+ 6 ሕጂ ግና ነቒጽና።* ብዘይካ እዚ ማና+ እዚ እንርእዮ የብልናን።” 7 እቲ ማና+ ኸኣ ከም ፍረ ጻቕዳ ነበረ፣+ ትርኢቱ ድማ ከም ትርኢት ዕንዲዳ ብዶላሕ ነበረ። 8 እቶም ህዝቢ ፋሕ ኢሎም ይኣርይዎ ነበሩ፣ ብመጥሓን ከኣ ይጥሕንዎ፡ ወይ ብመጉእ ይጐድእዎ ነበሩ። ኣብ ቍራዕ ድማ የብስልዎ፡ ወይ ቅጫ ይገብርዎ ነበሩ፣+ ጣዕሙ ኸኣ ከም ብዘይቲ እተገብረ ምቁር ቅጫ ይጥዕም ነበረ። 9 ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ ምስ ዚወድቕ፡ ማና ድማ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።+ 10 ሙሴ ድማ፡ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ዀይኑ ኺበኪ ሰምዐ። የሆዋ ኸኣ ኣዝዩ ተቘጥዖም፣+ ሙሴ እውን ኣመና ጐሃየ። 11 ሙሴ ድማ ንየሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ስለምንታይ ንጊልያኻ ወጺዕካዮ፧ ጾር ኵሉ እዚ ህዝቢ እዚ ኣባይ ብምንባርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፧+ 12 ናብታ ንኣቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ፡+ ‘ከምቲ መጕዚ ንዚጠቡ ሕጻን ዚጸውር፡ ኣብ ሕቝፍኻ ጹሮም’ እትብለኒ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ እየ፧ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧ 13 እናበኸዩ፡ ‘እንበልዖ ስጋ ሃበና!’ ይብሉኒ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋ ኻበይ ክረክብ እየ፧ 14 ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነ በይነይ ክጾሮ ኣይክእልን እየ፣ እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ።+ 15 ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኰንካስ፡ በጃኻ ሕጂ ሕጂ ቕተለኒ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ደጊም መዓት ኣይተርእየኒ።” 16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፡ ዓበይትን ኣሕሉቕን ህዝቢ ምዃኖም እትፈልጦም 70 ሰብኡት ኣክበለይ፣+ ናብ ድንኳን ምርኻብ ድማ ውሰዶም፣ ኣብኡ ኸኣ ምሳኻ ደው ኣብሎም። 17 ወሪደ+ ድማ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፣+ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ከኣ ክወስድን+ ኣብ ልዕሊኦም ከንብርን እየ፣ በይንኻ ምእንቲ ኸይትጾሮ፡ ጾር እቲ ህዝቢ ኣብ ምጻር ኪሕግዙኻ እዮም።+ 18 ነቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ብርግጽ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ፡ ንጽባሕ ተቐደሱ።+ ከመይሲ፡ “እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፧ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ኔርና”+ ኢልኩም የሆዋ እናሰምዐ ምብካይኩም ተሰሚዑ እዩ።+ የሆዋ ድማ ብርግጽ ስጋ ኺህበኩም እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም።+ 19 ሓደ መዓልቲ፡ ወይ 2 መዓልቲ፡ ወይ 5 መዓልቲ፡ ወይ 10 መዓልቲ፡ ወይ 20 መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ፡ 20 ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእን ፍጊዕ ክሳዕ ዚብለኩምን ምሉእ ወርሒ ደኣ እምበር።+ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ የሆዋ ስለ ዝነዓቕኩምዎ፡ “ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጺእና፧”+ እናበልኩም ድማ ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹም እዩ።’” "21 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “እዚ ኣነ ኣብ መንጎኡ ዘለኹ ህዝቢ 600,000 ኣጋር ሰብኡት እዩ፣+ ንስኻ ድማ፡ ‘ስጋ ኽህቦም እየ፡ ወርሒ ምሉእ ዚበልዕዎ ስጋ ኸኣ ክህቦም እየ’ ትብል ኣለኻ!" 22 ብምሉአን ጤለ በጊዕን ከብትን እንተ ዚሕረዳ፡ ምኣኸላኦምዶ፧ ወይ ኵሉ ዓሳ ባሕሪ እንተ ዚተሓዝ፡ ምኣኸሎምዶ፧” 23 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኢድ የሆዋዶ ሓጻር እያ፧+ ሕጂ፡ እቲ ዝብሎ ዚዀነልካ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ። 24 ሙሴ ኸኣ ወጺኡ፡ ቃል የሆዋ ነቲ ህዝቢ ነገሮ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ድማ 70 ሰብኡት ኣኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።+ 25 የሆዋ ኸኣ ብደበና ወሪዱ፡+ ንዕኡ ተዛረቦ፣+ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ መንፈስ ወሲዱ ድማ፡+ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ እቶም 70 ዓበይቲ ኣንበረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዓረፈ፡ ከም ነብያት ኰኑ፣*+ ግናኸ፡ ኣይደገምዎን። 26 ክልተ ሰብኡት ድማ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ። ስማቶም ከኣ ኤልዳድን ሜዳድን ነበረ። ንሳቶም ካብቶም ስማቶም እተጻሕፉ ነበሩ፡ ናብቲ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ፣ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዓረፈ። ንሳቶም ከኣ ኣብ ሰፈር ከም ነብያት ኰኑ። 27 ሓደ ጐበዝ ድማ ጐይዩ ንሙሴ፡ “ኤልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ከም ነብያት ይዀኑ ኣለዉ!” ኢሉ ነገሮ። 28 ሽዑ፡ እቲ ኻብ ንእስነቱ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ እያሱ+ ወዲ ነዌ፡ “ጐይታይ ሙሴ፡ ከልክሎም!”+ ኢሉ መለሰ። 29 ሙሴ ግና፡ “ስለይዶ ቐኒእካ ኢኻ፧ ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ነብያት እንተ ዚዀኑ፡ የሆዋ ኸኣ መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር መን ምሃበ፧” በሎ። 30 ሙሴ ድማ ምስቶም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ሰፈር ተመልሰ። 31 ካብ የሆዋ ኸኣ ንፋስ ወጸ፣ ካብ ባሕሪ ድማ ብርኒጎታት ከብኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር፡ መገዲ መዓልቲ ዚኣክል በዚ፡ መገዲ መዓልቲ ድማ በቲ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውረደ፣+ ብራኸአን ከኣ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት* ነበረ። 32 እቲ ህዝቢ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመላኣን በታ ለይቲ እቲኣ ብመላኣን፡ ንጽብሒቱ መዓልቲ እውን ብመላኣ ብርኒጎታት ኣከበ። እቲ ዝወሓደ ዓሰርተ ሖመር* ኣከበ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ከኣ ሰጥሕወን። 33 እቲ ስጋ ገና ኣብ መንጎ ዀራርምቶም ከሎ፡ ከይሓየኽዎ ኸለዉ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፣ የሆዋ ድማ ነቶም ህዝቢ ወቒዑ ኻባታቶም ኣመና ብዙሓት ቀተለ።+ 34 ነቶም ህርፋኖም ዝገለጹ ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፡+ ስም እታ ቦታ እቲኣ ቂብሮት-ሃታኣባ*+ ተባህለ። 35 እቶም ህዝቢ ኸኣ ካብ ቂብሮት-ሃታኣባ ናብ ሓጸሮት ነቐሉ፣ ኣብ ሓጸሮት+ ድማ ጸንሑ። 2 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “እስራኤላውያን ኣብቲ ነናቶም ጕጅለ ሰለስተ ነገድ እተመደቦ ይስፈሩ፣+ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማ* ማይ ቤቱ ይስፈር። ኣብ መንጽር ድንኳን ምርኻብ፡ ብዙርያኡ ይስፈሩ። 3 “እቶም ብምብራቕ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዚሰፍሩ፡ በብሰራዊቶም፡ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ይሁዳ ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ እዩ። "4 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 74,600 እዮም።+" 5 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ይሳኮር ይኹን። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር እዩ። "6 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 54,400 እዮም።+" 7 ቀጺሉ ድማ ነገድ ዛብሎን እዩ። ሹም ደቂ ዛብሎን ከኣ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን እዩ። "8 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 57,400 እዮም።+ " "9 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ይሁዳ እተመዝገቡ፡ 186,400 እዮም። እዚኣቶም ቀዳማይ ይንቀሉ።+ " 10 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ሮቤል+ በብሰራዊቱ ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር እዩ። "11 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 46,500 እዮም።+" 12 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ስምኦን እዩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ። "13 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 59,300 እዮም።+" 14 ቀጺሉ ድማ ነገድ ጋድ እዩ። ሹም ደቂ ጋድ ከኣ ኤልያሳፍ+ ወዲ ረዑኤል እዩ። "15 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 45,650 እዮም።+ " "16 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ሮቤል እተመዝገቡ፡ 151,450 እዮም። እዚኣቶም ካልኣይ ይንቀሉ።+ " 17 “እቲ ድንኳን ምርኻብ ኪግዕዝ ከሎ፡+ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ ማእከል ካልኦት ሰፈራት ይኹን። “ከምቲ ኣሰፋፍራኦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ በቦታኡ ዀይኑ በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይጐዓዙ።+ 18 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ኤፍሬም በብሰራዊቱ ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ከኣ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። "19 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 40,500 እዮም።+" 20 ኣብ ጥቓኡ ኸኣ ነገድ ምናሴ+ ይኹን። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር እዩ። "21 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 32,200 እዮም።+" 22 ቀጺሉ ድማ ነገድ ብንያም እዩ። ሹም ነገድ ብንያም ከኣ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ እዩ። "23 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 35,400 እዮም።+ " "24 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ኤፍሬም እተመዝገቡ፡ 108,100 እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ይንቀሉ።+ " 25 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ዳን በብሰራዊቱ ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ከኣ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ። "26 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 62,700 እዮም።+" 27 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ኣሴር እዩ። ሹም ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን እዩ። "28 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 41,500 እዮም።+" 29 ቀጺሉ ድማ ነገድ ንፍታሌም እዩ። ሹም ደቂ ንፍታሌም ከኣ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን እዩ። "30 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 53,400 እዮም።+ " "31 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰፈር ዳን እተመዝገቡ፡ 157,600 እዮም። እዚኣቶም ብጕጅለ ሰለስተ ነገድ መወዳእታ ይንቀሉ።”+ " "32 እቶም ካብ እስራኤላውያን በብማይ ቤቶም እተመዝገቡ እዚኣቶም እዮም። ድምር እቶም ኣብቲ ሰፈራት ኣብ ሰራዊት እተመዝገቡ፡ 603,550 ነበረ።+" 33 ሌዋውያን ግና፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምስ ካልኦት እስራኤላውያን+ ኣይተመዝገቡን።+ 34 እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ። በዚ ኸምዚ፡ በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይሰፍሩ፡+ በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሲ ወከፎም በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ይነቕሉ ነበሩ።+ 26 ድሕሪ እቲ መቕዘፍቲ፡+ የሆዋ ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን ከምዚ በሎም፦ 2 “ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን፡ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት እስራኤል ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም፡ በብማይ ቤቶም ቍጸርዎም።”+ 3 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን+ ከኣ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡+ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ፡+ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፦ 4 “ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ቝጸርዎም።”+ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹ ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፦ 5 ሮቤል፡+ በዅሪ እስራኤል፣ ደቂ ሮቤል+ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሓኖክ፡ ዓሌት ሓኖካውያን፣ ካብ ፋሉ፡ ዓሌት ፋላውያን፣ 6 ካብ ሔጽሮን፡ ዓሌት ሔጽሮናውያን፣ ካብ ካርሚ፡ ዓሌት ካርማውያን። "7 ዓሌታት ሮቤላውያን እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 43,730 ኰኑ።+ " 8 ወዲ ፋሉ ኸኣ፡ ኤልያብ ነበረ። 9 ደቂ ኤልያብ ድማ ነሙኤልን ዳታንን ኣቢራምን እዮም። እቶም ምስ የሆዋ ኺብኣሱ ኸለዉ፡+ ምስ ጕጅለ ቆራሕ+ ኰይኖም ምስ ሙሴን ምስ ኣሮንን እተባእሱ ሕሩያት እቲ ኣኼባ ዝነበሩ ዳታንን ኣቢራምን እዚኣቶም እዮም።+ 10 ሽዑ፡ ምድሪ ተኸፊታ* ወሓጠቶም። ቆራሕ ከኣ፡ ሓዊ ን250 ሰባት ኣብ ዝበልዓሉ እዋን፡ ምስ ደገፍቱ ሞተ።+ ንሳቶም ድማ መለበሚ ዀኑ።+ 11 ደቂ ቆራሕ ግና ኣይሞቱን።+ 12 ደቂ ስምኦን+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ነሙኤል፡ ዓሌት ነሙኤላውያን፣ ካብ ያሚን፡ ዓሌት ያሚናውያን፣ ካብ ያኪን፡ ዓሌት ያኪናውያን፣ 13 ካብ ዜራሕ፡ ዓሌት ዜራሓውያን፣ ካብ ሻኡል፡ ዓሌት ሻኡላውያን። "14 ዓሌታት ስምኦናውያን እዚኣቶም እዮም፦ 22,200።+ " 15 ደቂ ጋድ+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ጸፎን፡ ዓሌት ጸፎናውያን፣ ካብ ሓጊ፡ ዓሌት ሓጋውያን፣ ካብ ሹኒ፡ ዓሌት ሹናውያን፣ 16 ካብ ኦዝኒ፡ ዓሌት ኦዝናውያን፣ ካብ ዔሪ፡ ዓሌት ዔራውያን፣ 17 ካብ ኣሮድ፡ ዓሌት ኣሮዳውያን፣ ካብ ኣርኤሊ፡ ዓሌት ኣርኤላውያን። "18 ዓሌታት ደቂ ጋድ እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 40,500 እዮም።+ " 19 ደቂ ይሁዳ፡+ ዔርን ኦናንን እዮም።+ ዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ።+ 20 ደቂ ይሁዳ ኸኣ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሸላሕ፡+ ዓሌት ሸላናውያን፣ ካብ ፋሬስ፡+ ዓሌት ፋሬሳውያን፣ ካብ ዜራሕ፡+ ዓሌት ዜራሓውያን። 21 ደቂ ፋሬስ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሔጽሮን፡+ ዓሌት ሔጽሮናውያን፣ ካብ ሓሙል፡+ ዓሌት ሓሙላውያን። "22 ዓሌታት ይሁዳ እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 76,500 እዮም።+ " 23 ደቂ ይሳኮር+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ቶላዕ፡+ ዓሌት ቶላዓውያን፣ ካብ ፉዋ፡ ዓሌት ፉናውያን፣ 24 ካብ ያሹብ፡ ዓሌት ያሹባውያን፣ ካብ ሺምሮን፡ ዓሌት ሺምሮናውያን። "25 ዓሌታት ይሳኮር እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 64,300 እዮም።+ " 26 ደቂ ዛብሎን+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሰረድ፡ ዓሌት ሰረዳውያን፣ ካብ ኤሎን፡ ዓሌት ኤሎናውያን፣ ካብ ያሕልኤል፡ ዓሌት ያሕልኤላውያን። "27 ዓሌታት ዛብሎናውያን እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 60,500 እዮም።+ " 28 ደቂ ዮሴፍ+ በብዓሌቶም ምናሴን ኤፍሬምን እዮም።+ 29 ደቂ ምናሴ+ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ማኪር፡+ ዓሌት ማኪራውያን። ማኪር ከኣ ንጊልዓድ ወለደ።+ ካብ ጊልዓድ፡ ዓሌት ጊልዓዳውያን። 30 እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ እዮም፦ ካብ ኢዔዘር፡ ዓሌት ኢዔዘራውያን፣ ካብ ሔለቅ፡ ዓሌት ሔለቃውያን፣ 31 ካብ ኣስሪኤል፡ ዓሌት ኣስሪኤላውያን፣ ካብ ሴኬም፡ ዓሌት ሴኬማውያን፣ 32 ካብ ሸሚዳ፡ ዓሌት ሸሚዳውያን፣ ካብ ሔፈር፡ ዓሌት ሔፈራውያን። 33 ጸሎፍሓድ ወዲ ሔፈር ድማ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፣+ ስም እተን ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከኣ፡+ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ ነበረ። "34 ዓሌታት ምናሴ እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 52,700 እዮም።+ " 35 ደቂ ኤፍሬም+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሹተላሕ፡+ ዓሌት ሹተላሓውያን፣ ካብ ቤከር፡ ዓሌት ቤከራውያን፣ ካብ ታሓን፡ ዓሌት ታሓናውያን። 36 ደቂ ሹተላሕ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ዔራን፡ ዓሌት ዔራናውያን። "37 ዓሌታት ደቂ ኤፍሬም እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 32,500 እዮም።+ ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። " 38 ደቂ ብንያም+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ቤላዕ፡+ ዓሌት ቤላዓውያን፣ ካብ ኣሽቤል፡ ዓሌት ኣሽቤላውያን፣ ካብ ኣሒራም፡ ዓሌት ኣሒራማውያን፣ 39 ካብ ሸፉፋም፡ ዓሌት ሹፋማውያን፣ ካብ ሑፋም፡ ዓሌት ሑፋማውያን። 40 ደቂ ቤላዕ፡ ኣርድን ንእማንን እዮም፦+ ካብ ኣርድ፡ ዓሌት ኣርዳውያን፣ ካብ ንእማን፡ ዓሌት ንእማውያን። "41 ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 45,600 እዮም።+ " 42 ደቂ ዳን+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሹሓም፡ ዓሌት ሹሓማውያን። ዓሌታት ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። "43 ኵሎም ዓሌታት ሹሓማውያን፡ ምዝጉባቶም 64,400 እዮም።+ " 44 ደቂ ኣሴር+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ዪምና፡ ዓሌት ዪምናውያን፣ ካብ ዪሽዊ፡ ዓሌት ዪሽዋውያን፣ ካብ በሪዓ፡ ዓሌት በሪዓውያን፣ 45 ካብ ደቂ በሪዓ፦ ካብ ሔበር፡ ዓሌት ሔበራውያን፣ ካብ ማልኪኤል፡ ዓሌት ማልኪኤላውያን። 46 ስም ጓል ኣሴር፡ ሴራሕ ነበረ። "47 ዓሌታት ደቂ ኣሴር እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 53,400 እዮም።+ " 48 ደቂ ንፍታሌም+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ያሕጽኤል፡ ዓሌት ያሕጽኤላውያን፣ ካብ ጉኒ፡ ዓሌት ጉናውያን፣ 49 ካብ የጸር፡ ዓሌት የጸራውያን፣ ካብ ሺሌም፡ ዓሌት ሺሌማውያን። "50 ዓሌታት ንፍታሌም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 45,400 እዮም።+ " "51 ድምር እቶም ካብ እስራኤላውያን እተመዝገቡ እዚ እዩ፦ 601,730።+ " 52 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 53 “እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብዝርዝር ስማቶም* ርስቲ ዀይና ትመቐል።+ 54 ነቶም ብዙሓት፡ ርስቲ ኣግፍሓሎም፣ ነቶም ሒደት ከኣ፡ ርስቲ ኣንእሰሎም።+ ርስቲ ነፍሲ ወከፍ ከም ቍጽሪ እቶም ምዝጉባት ይወሃብ። 55 ግናኸ፡ እታ ምድሪ ብዕጫ ትመቐል።+ ከከም ስማት ነገዳት ኣቦታቶም ይረስተዩ። 56 ኵሉ ርስቲ ብዕጫ ይወሰን፡ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓትን እቶም ሒደትን ከኣ ይመቐል።” 57 ካብ ሌዋውያን+ በብዓሌቶም እተመዝገቡ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ጌርሾን፡ ዓሌት ጌርሾናውያን፣ ካብ ቀሃት፡+ ዓሌት ቀሃታውያን፣ ካብ መራሪ፡ ዓሌት፧ መራራውያን። 58 ዓሌታት ሌዋውያን እዚኣቶም እዮም፦ ዓሌት ሊብናውያን፡+ ዓሌት ኬብሮናውያን፡+ ዓሌት ማሕላውያን፡+ ዓሌት ሙሻውያን፡+ ዓሌት ቆራሓውያን።+ ቀሃት ከኣ ንዓምራም ወለደ።+ 59 ስም ሰበይቲ ዓምራም ድማ፡ ዮካቤድ እዩ፣+ ንሳ ንሌዊ ኣብ ግብጺ እተወልደትሉ ጓል ሌዊ እያ። ንሳ ኸኣ ንዓምራም፡ ኣሮንን ሙሴን ሓብቶም ሚርያምን ወለደትሉ።+ 60 ንኣሮን ድማ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ተወልዱሉ።+ 61 ናዳብን ኣቢሁን ግና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይተፈቕደ ሓዊ ብምቕራቦም ሞቱ።+ "62 ድምር እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ ምዝጉባት 23,000 ነበረ።+ ንሳቶም ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ርስቲ ስለ ዘይውሃቦም፡+ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ኣይተመዝገቡን።+ " 63 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ዝመዝገብዎም እስራኤላውያን እዚኣቶም እዮም። 64 ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ እተገብረ ቘጸራ እስራኤላውያን ዝመዝገብዎም ግና፡ ሓደ እኳ ኣብ መንጎኦም ኣይነበረን።+ 65 ከመይሲ፡ የሆዋ ብዛዕባኦም፡ “ኣብ በረኻ ብርግጽ ኪሞቱ እዮም” ኢሉ ነበረ።+ ስለዚ፡ ብዘይካ ካሌብ ወዲ የፉነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይተረፈን።+ 4 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦ 2 “ካብ መንጎ ደቂ ሌዊ፡ ደቂ ቀሃት+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ይቈጸሩ። 3 እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዚዓዪ ጕጅለ እተመደቡ+ ኻብ ወዲ 30+ ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት+ ዘበሉ ዅሎም ይቈጸሩ። 4 “ደቂ ቀሃት ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዚዓይዎ+ ቕዱስ ቅዱሳን ዝዀነ ኣገልግሎት እዚ እዩ፦ 5 እቲ ሰፈር ምስ ዚነቅል፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ+ የውርድዎ፡ ነቲ ታቦት+ ምስክር ከኣ ብእኡ ይኽደንዎ። 6 ቈርበት ታሓሽ* ኣብ ልዕሊኡ ገይሮም ይኽደንዎ፡ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዓለባ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይግበሩሉ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትውዎ። 7 “ኣብ ልዕሊ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ+ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ነቲ ጻሕልታትን ጽዋኣትን ጭሔሎታትን ዓታሩ መስዋእቲ መስተን የንብሩ፣+ እቲ ወትሩ ዚቐርብ እንጌራ+ ድማ ኣብኡ ይኹን። 8 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ውጹእ ቀይሕ ዓለባ ይዘርግሑ፡ ብቘርበት ታሓሽ* ድማ ይኽደንዎ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትውዎ። 9 ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከኣ ነቲ ዚበርህ ቀዋሚ ቐንዴልን+ ነቲ ቐነዲሉን+ ነቲ ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን ነቲ ናቱ መትሓዚታት ሓውን+ ንዅሉ እቲ መመላእታኡ ዚኸውን ዘይቲ ዚሕዙሉ ኣቕሑኡን ይኽደንዎ። 10 ነዝን ንዅሉ ኣቕሑኡን ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ድማ ኣብ መሰላ* የንብርዎ። 11 ኣብ ልዕሊ እቲ ወርቃዊ መሰውኢ+ እውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፣ ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ከኣ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ ኣብ ቦታኡ የእትውዎ። 12 ንዅሉ እቲ ወትሩ ኣብ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኣቕሑ+ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ኣብ ሰማያዊ ዓለባ የንብርዎ፡ ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ከኣ ኣብ መሰላ* የንብርዎ። 13 “ነቲ ሓምዅሽቲ* ድማ ካብቲ መሰውኢ+ ይጕሓፍዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጁዅ ዝሕብሩ ዓለባ ጸምሪ ይዘርግሑ። 14 ንዅሉ እቲ ኣብቲ መሰውኢ ዜገልግሉሉ ኣቕሑ፡ ነቲ መትሓዚታት ሓውን ሻኳታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ኵሉ ኣቕሑ እቲ መሰውእን+ ኣብ ልዕሊኡ የንብሩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ቈርበት ታሓሽ* ይዘርግሑ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትዉዎ። 15 “እቲ ሰፈር ኪነቅል ከሎ፡ ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን+ ንዅሉ ኣቕሑ እቲ መቕደስን ከዲኖም ይወድኡ። ድሕሪኡ፡ ደቂ ቀሃት መጺኦም ይጹርዎ፡+ ምእንቲ ኸይሞቱ ግና ነቲ መቕደስ ኣይተንክይዎ።+ እቲ ምስ ድንኳን ምርኻብ ዚተሓሓዝ ሓላፍነት* ደቂ ቀሃት እዚ እዩ። 16 “ሓላፍነት ኣልኣዛር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ድማ ሓለዋ* ዘይቲ መብራህትን+ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ ናይ ወትሩ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን እዩ።+ ሓለዋ ብዘሎ ማሕደርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፡ እንተላይ መቕደስን ኣቕሑኡን፡ ሓላፍነቱ እዩ።” 17 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 18 “ነገድ ዓሌታት ቀሃታውያን+ ካብ መንጎ ሌዋውያን ኣይመንቈሱ። 19 ኪነብሩ እምበር፡ ናብቲ ቕዱስ ቅዱሳን ብምቕራቦም ምእንቲ ኸይሞቱ፡+ እዚ ግበሩሎም። ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣኣገልግሎቶምን ኣብ ጸጾሮምን ይመድብዎም። 20 ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ቕዱስ ነገራት ንቕጽበት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።”+ 21 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 22 “ደቂ ጌርሾን+ በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን ይቈጸሩ። 23 ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝግቦም። 24 ዓሌታት ጌርሾናውያን እተመደብዎ ኣገልግሎትን ጾርን እዚ እዩ፦+ 25 ምጻር ዓለባታት ድንኳን እቲ ማሕደርን+ እቲ ድንኳን ምርኻብን መኽደኒኡን እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚድረብ ቈርበት ታሓሽን*+ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን+ 26 መኸወሊታት* ኣጸድን+ መጋረዲ* ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን+ ኣግማዱን ኣቕሑኡን ኵሉ እቲ ንኣገልግሎቱ ዚኸውንን እዩ። ዕዮኦም እዚ እዩ። 27 ኵሉ ኣገልግሎትን ጾርን ጌርሾናውያን+ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኣሮንን ደቁን ይኹን። እዚ ዅሉ ጾር ሓላፍነቶም ኪኸውን መድብዎ። 28 ኣገልግሎት ዓሌታት ጌርሾናውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፣+ ሓላፍነታቶም ከኣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር+ ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። 29 “ንደቂ መራሪ+ ድማ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝግቦም። 30 ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝግቦም። 31 ነቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዘለዎም ኣገልግሎት ብእተተሓሓዘ ዚጾርዎ ሓላፍነት እዚ እዩ፦+ መቓናት ሉሕ+ እቲ ማሕደርን ተገዳማቱን+ ኣዕኑዱን+ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ 32 ኣዕኑድ+ እቲ ብዙርያ ዘሎ ኣጸድን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ ሽኻላቱን+ ኣግማዱ ምስ ኵሉ ኣቕሑኡን ምስዚ ዚተሓሓዝ ኵሉ ኣገልግሎትን። በብስሞም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኺጾርዎ እተዋህቦም ሓላፍነት መድብዎም። 33 ዓሌታት ደቂ መራሪ+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ዜገልግልዎ ኣገልግሎት እዚ እዩ።”+ 34 ድሕርዚ፡ ሙሴን ኣሮንን ሹማምንቲ+ እቲ ኣኼባን ንደቂ ቀሃታውያን+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝገብዎም፣ 35 ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝገብዎም።+ "36 ድምር እቶም በብዓሌቶም እተመዝገቡ 2,750 ነበረ።+" 37 እቶም ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን እተመዝገቡ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም። ሙሴን ኣሮንን በቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ መዝገብዎም።+ 38 ደቂ ጌርሾን+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ፣ 39 እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም ተመዝገቡ። "40 ድምር እቶም በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን እተመዝገቡ 2,630 ነበረ።+" 41 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌርሾን እተመዝገቡ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም። ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ የሆዋ መዝገብዎም።+ 42 ደቂ መራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ፣ 43 እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም ተመዝገቡ።+ "44 ድምር እቶም በብዓሌቶም እተመዝገቡ 3,200 ነበረ።+" 45 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ እተመዝገቡ፡ እቶም ሙሴን ኣሮንን በቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ ዝመዝገብዎም እዚኣቶም እዮም።+ 46 ሙሴን ኣሮንን ሹማምንቲ እስራኤልን ንዅሎም እዞም ሌዋውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝገብዎም፣ 47 ካብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ነበሩ፣ ኵላቶም ድማ ምስ ድንኳን ምርኻብ ብዚተሓሓዝ ኬገልግሉን ኪጾሩን ተመደቡ።+ "48 ድምር እቶም እተመዝገቡ 8,580 ነበረ።+" 49 ብትእዛዝ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም እተመደበሉ ኣገልግሎትን ጾርን ተመዝገቡ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ተመዝገቡ። 16 ድሕርዚ፡ ቆራሕ+ ወዲ ይጽሃር፡+ ወዲ ቀሃት፡+ ወዲ ሌዊ፡+ ምስ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብን+ ምስ ኦን ወዲ ጰለትን፡ ደቂ ሮቤል፡+ ተንስኡ። 2 ንሳቶም ምስ 250 እስራኤላውያን ሰብኡት ኣንጻር ሙሴ ተንስኡ፣ እዚኣቶም ድማ ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ፡ ካብቲ ጉባኤ እተሓርዩ ስሙያት ሰባት ነበሩ። 3 ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተኣኪቦም ድማ፡+ “ብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ኵላቶም ቅዱሳት እዮም፡+ የሆዋ ኸኣ ኣብ ማእከሎም እዩ+ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ። ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ጉባኤ የሆዋ ትዕበዩ ኣለኹም፧” በልዎም። 4 ሙሴ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብገጹ ተደፍአ። 5 ንቆራሕን ንዅሎም ደገፍቱን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ንግሆ፡ የሆዋ እቲ ናቱ ዝዀነን+ እቲ ቕዱስን እቲ ኪቐርቦ ዚግባእን+ መን ከም ዝዀነ ኼፍልጥ እዩ፣ እቲ ንሱ ዝሓረዮ+ ኸኣ ኪቐርቦ እዩ። 6 እዚ ግበሩ፦ ቆራሕን ኵሎም ደገፍትኻን+ መትሓዚታት ሓዊ ውሰዱ፡+ 7 ጽባሕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ ሓዊ ግበሩሉ፡ ዕጣን እውን ግበሩሉ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ+ ሰብኣይ፡ ንሱ ቕዱስ እዩ። ኣቱም ደቂ ሌዊ፡+ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ!” 8 ሙሴ ኸኣ ንቆራሕ ከምዚ በሎ፦ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ በጃኹም ስምዑኒ። 9 ኣምላኽ እስራኤል ካብ ኣኼባ እስራኤል ዝፈለየኩም፡+ ኣገልግሎት ማሕደር የሆዋ ክትፍጽሙን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ደው ኢልኩም ከተገልግልዎምን ኢሉ ድማ ክትቀርብዎ ዝፈቐደልኩምሲ ውሒዱኩም ድዩ፧+ 10 ንዓኻን ምሳኻ ድማ ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምሲ፡ ክህነትዶ ድማ ደሊኹም፧+ 11 ስለዚ፡ ንስኻን ኵሎም ደገፍትኻን ኣንጻር የሆዋ ኢኹም እተኣከብኩም። ኣሮንከ ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ፡ ንሱ እንታዋይ እዩ፧”+ 12 ሙሴ ድማ ንዳታንን ንኣቢራምን+ ደቂ ኤልያብ ልኢኹ ጸውዖም፣ ንሳቶም ግና ከምዚ በሉ፦ “ኣይንመጽእን! 13 ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፡ ጸባን መዓርን ካብ እተውሕዝ ምድሪ ዘደየብካናዶ ውሒዱ እዩ፧+ ሕጂ ኸኣ ኣብ ልዕሌናዶ መላኺ ኽትከውን* ትደሊ ኣለኻ፧ 14 ብዝተረፈስ፡ ጸባን መዓርን+ ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኣየእቶኻናን፡ ወይ ርስቲ ግራትን ኣታኽልቲ ወይንን ኣይሃብካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኦምዶ ኸተንቍር ደሊኻ፧ ኣይንመጽእን!” 15 ሙሴ ድማ ኣዝዩ ተቘጢዑ ንየሆዋ፡ “ናብ መስዋእቲ እኽሎም ኣይትጠምት። ካባታቶም ሓደ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩን፣ ካባታቶም እውን ንሓደ እኳ ኣይጐዳእኩን” በሎ።+ 16 ሙሴ ኸኣ ንቆራሕ ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ንስኻ ምስ ኵሎም ደገፍትኻ፡ ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተረኸቡ። 17 ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ ይውሰድ፡ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ፡ ማለት 250 መትሓዝ ሓዊ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርብ፣ ንስኻን ኣሮንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ የቕርብ።” 18 ነፍሲ ወከፎም ድማ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ ወሰደ፣ ሓውን ዕጣንን ድማ ገበሩሉ፣ ምስ ሙሴን ምስ ኣሮንን ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው በሉ። 19 ቆራሕ ንደገፍቱ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኪጻረሩ ኢሉ ምስ ኣከቦም፡+ ክብሪ የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣኼባ ተራእየ።+ 20 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 21 “ብቕጽበት ከጽንቶምሲ፡ ካብ መንጎ እዚ ጕጅለ እዚ ተፈለዩ።”+ 22 ሽዑ፡ ንሳቶም ብገጾም ተደፊኦም፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ኣታ ኣምላኽ መንፈስ ኵሉ ሰብ፡*+ ሓጢኣት ሓደ ሰብኣይሲ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እቲ ኣኼባዶ ኬቘጥዓካ እዩ፧” በሉ።+ 23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24 “ነቲ ኣኼባ፡ ‘ካብ ዙርያ ድንኳናት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ርሓቑ!’ ኢልካ ተዛረቦ።”+ 25 ድሕሪኡ፡ ሙሴ ተንሲኡ ናብ ዳታንን ኣቢራምን ከደ፣ እቶም ዓበይቲ እስራኤል+ ከኣ ሰዓብዎ። 26 ነቲ ኣኼባ ድማ፡ “በጃኹም፡ ካብ ድንኳናት እዞም እኩያት ሰባት እዚኦም ርሓቑ፣ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትዅስተሩ ኸኣ ናታቶም ዘበለ ኣይትተንክዩ” ኢሉ ተዛረቦ። 27 ብኡብኡ፡ ንሳቶም ካብ ዙርያ ድንኳናት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ረሓቑ፣ ዳታንን ኣቢራምን ከኣ ወጺኦም፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ሕጻናቶምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ። 28 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “እዚ ልበይ ዘንቀዶ* ኸም ዘይኰነ፡ ነዚ ዅሉ ግብሪ እዚ ኽገብር ድማ የሆዋ ኸም ዝለኣኸኒ፡ በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፦ 29 እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ እንተ ሞይቶም፡ መቕጻዕቶም ከኣ ከም መቕጻዕቲ ዅሉ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ የሆዋ ኣይለኣኸንን።+ 30 ግናኸ፡ የሆዋ ዘይተለምደ ነገር እንተ ገይሩ፡ ምድሪ ተኸፊታ* ኸኣ ንዓታቶምን ንዘለዎም ኵሉን እንተ ውሒጣቶም፡ ብህይወቶም ከለዉ ድማ ናብ መቓብር* እንተ ወሪዶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንየሆዋ ኸም ዝነዓቕዎ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።” 31 እዚ ዅሉ ዘረባ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨድደት።+ 32 ምድሪ ኸኣ ተኸፊታ፡* ንዓታቶም ምስ ቤተ ሰቦምን ምስ ናይ ቆራሕ+ ዘበሉ ዅሎምን ምስ ኵሉ ጥሪቶምን ወሓጠቶም። 33 ንሳቶምን ናታቶም ዘበለ ዅሉን ብህይወቶም ከለዉ ናብ መቓብር* ወረዱ፣ ምድሪ ኸኣ ደፈነቶም፣ ካብ ማእከል እቲ ጉባኤ ድማ ጠፍኡ።+ 34 ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ከኣ፡ ብሰንኪ ኣውያቶም፡ “ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ። 35 ካብ የሆዋ ድማ ሓዊ ወጸ፡+ ነቶም ዕጣን ዜቕርቡ ዝነበሩ 250 ሰባት ከኣ በልዖም።+ 36 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 37 “ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እቲ መትሓዚታት ሓዊ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ካብቲ ሓዊ ኼውጽኦ ንገሮ።+ ነቲ ሓዊ ኣርሕቕ ኣቢሉ ፋሕ ኬብሎ እውን ንገሮ። 38 መትሓዚታት ሓዊ እቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ፡* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብምቕራቡ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ መለበጢ እቲ መሰውኢ+ ኪኸውን ረቂቕ ቀጸላ ይግበርዎ። ንእስራኤላውያን ከኣ ምልክት ይኹን።”+ 39 ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ መትሓዚታት ሓዊ ነሓሲ ወሰዶ፡ ንመለበጢ እቲ መሰውኢ ኪኸውን ከኣ ቀጥቀጦ፣ 40 ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦ እውን ገበረ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኰነ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኸይቀርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ደገፍቱን ከይከውን፡+ ንእስራኤላውያን መዘከርታ ዀነ።+ 41 ንጽብሒቱ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን፡ “ንስኻትኩም ንህዝቢ የሆዋ ቐቲልኩምዎም” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።+ 42 እቲ ኣኼባ ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ምስ ተኣከበ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ግልጽ በሉ፣ እንሆ ድማ፡ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ የሆዋ ኸኣ ተራእየ።+ 43 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከዱ።+ 44 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 45 “ኣነ ብቕጽበት ከጽንቶም እየ እሞ፡+ ካብ መንጎ እዚ ኣኼባ እዚ ተፈለዩ።” ንሳቶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።+ 46 ድሕሪኡ፡ ሙሴ ንኣሮን፡ “ካብ የሆዋ ቝጥዓ ወጺኡ ኣሎ እሞ፡ መትሓዝ ሓዊ ወሲድካ ካብቲ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፡+ ዕጣን እውን ግበረሉ፡ ቀልጢፍካ ናብቲ ኣኼባ ኼድካ ድማ ኣተዓርቆም።+ መዓት ጀሚሩ ኣሎ!” በሎ። 47 ኣሮን ከኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ መትሓዝ ሓዊ ወሲዱ ናብ ማእከል እቲ ጉባኤ ጐየየ፣ እንሆ ድማ እቲ መዓት ኣብቲ ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ። ንሱ ኸኣ ነቲ ዕጣን ኣብቲ መትሓዝ ሓዊ ገይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ኣተዓረቖ። 48 ኣብ መንጎ ምዉታትን ህያዋንን ደው በለ፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ኣቋረጸ። "49 ብዘይካ እቶም ብሰንኪ ቆራሕ ዝሞቱ ድማ፡ እቶም በቲ መቕዘፍቲ ዝሞቱ፡ 14,700 ኰኑ።" 50 ኣሮን ናብ ሙሴ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ እቲ መቕዘፍቲ ኣቋሪጹ ነበረ። 6 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንየሆዋ ናዝራዊ*+ ኪኸውን ፍሉይ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡ 3 ካብ ወይንን ካብ ኣልኮላዊ መስተን ይርሓቕ። ዝመጸጸ ወይኒ ዀነ ዝመጸጸ ኣልኮላዊ መስተ ኣይስተ።+ ካብ ወይኒ እተጸምቈ ዘበለ ድማ ኣይስተ፡ ካብ ወይኒ እውን ብሰዊቱ ዀነ ብንቑጹ ኣይብላዕ። 4 ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቱ፡ ካብ ዘይበሰለ ፍሪኡ ዀነ ኻብ ገፈሉ፡ ኰታስ ካብ ተኽሊ ወይኒ እተገብረ ዘበለ ኣይብላዕ። 5 “‘ብዅለን መዓልትታት መብጽዓ ናዝራውነቱ፡ መላጸ ብርእሱ ኣይሕለፍ።+ እተን ንየሆዋ እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዚመልኣ፡ ጸጕሪ ርእሱ ብምንዋሕ፡ ቅዱስ ይኹን። 6 ብዅለን እተን ንየሆዋ እተፈልየለን መዓልትታት፡ ናብ ምዉት ሰብ* ኣይቕረብ። 7 ምልክት ናዝራውነቱ ንኣምላኹ ኣብ ርእሱ እዩ እሞ፡ ዋላ እኳ ኣቦኡ፡ ወይ ኣዲኡ፡ ወይ ሓዉ፡ ወይ ሓብቱ እንተ ሞይትዎ፡ ኣይርከስ።+ 8 “‘ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቱ ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ። 9 ሰብ ኣብ ጥቓኡ ብሃንደበት እንተ ሞይቱ+ እሞ፡ ነቲ ንኣምላኽ ከም እተፈልየ ዜመልክት ጸጕሩ እንተ ኣርኪሱ* ግና፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ።+ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ። 10 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ናብ ካህን ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። 11 እቲ ኻህን ከኣ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ንዚሓርር መስዋእቲ የዳሉ እሞ፡ ካብቲ ምስ ምዉት ሰብ* ዚተሓሓዝ ሓጢኣቱ የተዓርቆ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ርእሱ ይቐድስ። 12 ንመዓልትታት ናዝራውነቱ ድማ ከም ብሓድሽ ገዛእ ርእሱ ንየሆዋ ይፍለ፣ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸል* ከኣ ንመስዋእቲ በደል የምጽእ። ናዝራውነቱ ስለ ዝረኸሰ ግና፡ እተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣይቍጸራን እየን። 13 “‘ሕጊ ናዝራዊ እዚ እዩ፦ መዓልትታት ናዝራውነቱ ምስ መልኣ፡+ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽእዎ። 14 ኣብኡ ኸኣ እዚ መስዋእቱ ንየሆዋ የቕርበሉ፦ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ሓደ ጥዑይ ገንሸል ንዚሓርር መስዋእቲ፡+ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ሓንቲ ጥዕይቲ ሽበን* ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡+ ሓደ ጥዑይ ድዑል ንመስዋእቲ ሕብረት፡+ 15 ሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫታት፡ ዘይቲ እተለኽየ ረቀቕቲ ቕጫታት፡ ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ እኽሉን+ መስዋእቲ መስተኡን።+ 16 እቲ ኻህን ድማ ናብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቱን ዚሓርር መስዋእቱን ከኣ ይሰውእ። 17 ነቲ ድዑል ምስቲ ቕጫታት ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ኪኸውን ይሰውኣዮ፣ እቲ ኻህን ድማ ምስኡ መስዋእቲ እኽሉን+ መስዋእቲ መስተኡን የቕርብ። 18 “‘እቲ ናዝራዊ ኸኣ ነቲ ዘይተቘርጸ ጸጕሪ ርእሱ* ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይላጽዮ፣+ ነቲ ብግዜ ናዝራውነቱ ዝበቘለ ጸጕሪ ርእሱ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መስዋእቲ ሕብረት ናብ ዘሎ ሓዊ የእትዎ። 19 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ድዑል ዝበሰለ ኢድ፡+ ካብቲ መሶብ ድማ ሓደ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ይውሰድ እሞ፡ እቲ ናዝራዊ ምልክት ናዝራውነቱ ምስ ተላጸየ፡ ኣብ ኢዱ የንብረሉ። 20 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ይወዝውዞ።+ እዚ ምስቲ ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ምስቲ እግሪ መባእን ነቲ ኻህን ቅዱስ እዩ።+ ድሕርዚ፡ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኺሰቲ ይኽእል እዩ። 21 “‘ሕጊ እቲ እተመባጽዐ ናዝራዊ እዚ እዩ፦+ ኣብ ልዕሊ እቲ ብናዝራውነቱ ኼማልኦ ዚግባእ ንየሆዋ መስዋእቲ ኺገብር ከም ዓቕሙ እንተ ተመባጺዑ፡ ብምኽንያት እቲ ሕጊ ናዝራውነቱ፡ መብጽዓኡ ይፈጽም።’” 22 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 23 “ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንህዝቢ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎም፦+ 24 “የሆዋ ይባርኽካን+ ይሓሉኻን። 25 የሆዋ ገጹ የብርሃልካ፡+ ሞገስ ከኣ ይሃብካ። 26 የሆዋ ገጹ ይምለሰልካ፡* ሰላም ድማ ይሃብካ።”’+ 27 ኣነ ኽባርኾምሲ፡+ ስመይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል የንብሩ።”+ 25 እስራኤል ኣብ ሺጢም ተቐሚጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡+ እቲ ህዝቢ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ።+ 2 ንሳተን ከኣ ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ዓደማኦ፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዐ፡ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ።+ 3 እስራኤል ከኣ ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ሓበረ፣+ ቍጥዓ የሆዋ ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ። 4 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንዅሎም መራሕቲ* እዚ ህዝቢ እዚ ወሲድካ፡ ቀትሪ ምድሪ* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቐሎም” በሎ። 5 ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡+ “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ዝሓበሩ ሰቡ ይቕተል” በሎም።+ 6 ሽዑሽዑ ግና፡ ሓደ ኻብ እስራኤላውያን፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ እስራኤላውያንን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እናበኸዩ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽአ።+ 7 ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረኣዮ፡ ብኡብኡ ኻብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስአ፡ ኲናት* እውን ኣብ ኢዱ ወሰደ። 8 ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ናብቲ ድንኳን ኣትዩ ኸኣ፡ ንኽልቲኦም፡ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን፡—ንዓኣ ኣብ ረቃቒቶኣ፡—ወግኦም። ሽዑ፡ እቲ ኣብ እስራኤላውያን ዚወርድ ዝነበረ መቕዘፍቲ ደው በለ።+ "9 እቶም በቲ መቕዘፍቲ ዝሞቱ ኸኣ፡ 24,000 ኰኑ።+ " 10 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 11 “ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ንዓይ ዚቀናቐን ከቶ ብዘይምጽዋሩ፡ ቍጥዓይ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሊስዎ እዩ።+ ስለቲ ንበይነይ ዝደልዮ ተወፋይነት ኢለ ድማ ንእስራኤላውያን ኣየጽነትክዎምን።+ 12 ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘ንዕኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። 13 ንኣምላኹ ዚቀናቐን ስለ ዘይተጻወረን+ ንእስራኤላውያን ስለ ዘተዓረቖምን፡ እዚ ንዕኡን ንዘርኡ ድማ ብድሕሪኡን ኪዳን ናይ ሓዋሩ ኽህነት ይኹን።’”+ 14 ስም እቲ ምስታ ሚድያናዊት እተቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ዚምሪ ወዲ ሳሉ ነበረ፣ ሹም ማይ ቤት ስምኦናውያን ከኣ ነበረ። 15 ስም እታ እተቐትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ድማ፡ ኩዝቢ ጓል ጹር ነበረ፣+ ንሱ ኸኣ ኣብ ሚድያን መራሒ እንዳታት ማይ ቤት ነበረ።+ 16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 17 “ንሚድያናውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፣+ 18 ከመይሲ፡ ብነገር ጴዖርን+ ብነገር እታ ብዛዕባ ጴዖር መቕዘፍቲ ኣብ ዝወረደላ መዓልቲ+ እተቐትለት ኩዝቢ ሓብቶም ጓል ሹም ሚድያንን፡+ ብተንኰሎም ኣጨኒቖምኹም እዮም።” 33 ህዝቢ እስራኤል በብሰራዊቶም+ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሙሴን ኣሮንን+ ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡+ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዙ ዝገበርዎ ጕዕዞ እዚ እዩ። 2 ሙሴ ነቲ ብትእዛዝ የሆዋ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኺጕዓዙ ኸለዉ ዚነቕሉሉ ቦታታት ይምዝግቦ ነበረ፣ እቲ ኻብ ሓደ ዚነቕሉሉ ቦታ ናብ ካልእ እተጓዕዝዎ ጕዕዞ እዚ እዩ፦+ 3 ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ ካብ ራዕምሴስ ነቐሉ።+ ድሕሪ ፋስጋ ኣብ ዘላ መዓልቲ፡+ እስራኤላውያን ብትብዓት* ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሎም ግብጻውያን ወጹ። 4 ግብጻውያን ከኣ ነቶም የሆዋ ኣብ መንጎኦም ዝቐተሎም ኵሎም በዅራት ይቐብሩ ነበሩ፣+ የሆዋስ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቶም ፍርዲ ፈጺሙ ነበረ።+ 5 እስራኤላውያን ከኣ ካብ ራዕምሴስ ነቒሎም፡ ኣብ ሱኮት ሰፈሩ።+ 6 ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ።+ 7 ካብ ኤታም ነቒሎም ከኣ፡ ናብታ ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ዘላ ጲሃሒሮት ተመልሱ፣+ ኣብ መንጽር ሚግዶል ድማ ሰፈሩ።+ 8 ካብ ጲሃሒሮት ነቒሎም ከኣ፡ ብማእከል ባሕሪ+ ገይሮም ናብ በረኻ+ ተሳገሩ፣ ኣብ በረኻ ኤታም+ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ድማ፡ ኣብ ማራ ሰፈሩ።+ 9 ካብ ማራ ነቒሎም ከኣ፡ ናብ ኤሊም መጹ። ኣብ ኤሊም ድማ 12 ዓይኒ ማይን 70 ኦም ተምርን ነበረ፣ ስለዚ፡ ኣብኣ ሰፈሩ።+ 10 ካብ ኤሊም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ባሕሪ ሰፈሩ። 11 ካብ ቀይሕ ባሕሪ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲን ሰፈሩ።+ 12 ካብ በረኻ ሲን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዶፍቃ ሰፈሩ። 13 ካብ ዶፍቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ። 14 ካብ ኣሉሽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብታ ነቶም ህዝቢ ዚሰትይዎ ማይ ዘይነበራ ረፊዲም ሰፈሩ።+ 15 ካብ ረፊዲም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲና ሰፈሩ።+ 16 ካብ በረኻ ሲና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቂብሮት-ሃታኣባ ሰፈሩ።+ 17 ካብ ቂብሮት-ሃታኣባ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓጸሮት ሰፈሩ።+ 18 ካብ ሓጸሮት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ። 19 ካብ ሪትማ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሞን-ጰሬጽ ሰፈሩ። 20 ካብ ሪሞን-ጰሬጽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሊብና ሰፈሩ። 21 ካብ ሊብና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ። 22 ካብ ሪሳ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ። 23 ካብ ቄሄላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረን ሸፈር ሰፈሩ። 24 ካብ ከረን ሸፈር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ። 25 ካብ ሓራዳ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ማቅሄሎት ሰፈሩ። 26 ካብ ማቅሄሎት ነቒሎም ከኣ፡+ ኣብ ታሓት ሰፈሩ። 27 ካብ ታሓት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ታራ ሰፈሩ። 28 ካብ ታራ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ። 29 ካብ ሚትቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ። 30 ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ። 31 ካብ ሞሴሮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ብነ-ያዓቃን ሰፈሩ።+ 32 ካብ ብነ-ያዓቃን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሖር-ሃጊድጋድ ሰፈሩ። 33 ካብ ሖር-ሃጊድጋድ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ።+ 34 ካብ ዮጥባታ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ። 35 ካብ ዓብሮና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ሰፈሩ።+ 36 ካብ ዔጽዮን-ገበር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ በረኻ ጺን፡+ ማለት ቃዴስ፡ ሰፈሩ። 37 ካብ ቃዴስ ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም ዘሎ ኸረን ሆር ሰፈሩ።+ 38 ካህን ኣሮን ከኣ ብትእዛዝ የሆዋ ናብ ከረን ሆር ደየበ፣ እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል 40 ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ እታ ወርሒ ድማ ኣብኡ ሞተ።+ 39 ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ኪመውት ከሎ፡ ወዲ 123 ዓመት ነበረ። 40 ንጉስ ዓራድ፡+ እቲ ኣብ ነጌብ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዚቕመጥ ዝነበረ ከነኣናዊ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ከም ዝመጹ ሰምዐ። 41 ካብ ከረን ሆር ነቒሎም ድማ፡+ ኣብ ጻልሞና ሰፈሩ። 42 ካብ ጻልሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጱኖን ሰፈሩ። 43 ካብ ጱኖን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።+ 44 ካብ ኦቦት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብቲ ኣብ ዶብ ሞኣብ ዘሎ ዒየ-ዓባሪም ሰፈሩ።+ 45 ካብ ዒዪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዲቦን-ጋድ ሰፈሩ።+ 46 ካብ ዲቦን-ጋድ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ሰፈሩ። 47 ካብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ኔቦ+ ዘሎ ኣኽራን ዓባሪም+ ሰፈሩ። 48 ካብ ኣኽራን ዓባሪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ሰፈሩ።+ 49 ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፡ ካብ ቤት-የሺሞት ክሳብ ኣቤል-ሺጢም፡+ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ሰፈሩ። 50 የሆዋ ድማ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 51 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ትኣትዉ ኣለኹም።+ 52 ንዅሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ቅድሜኹም ስጐጕዎም፣ ኵሉ ቕሩጽ ኣእማኖምን+ ኵሉ ፍሱስ ምስልታቶምን+ ኣዕንዉ፣ ኵሉ እቲ ዜምልኹሉ በረኽትታት ድማ ኣፍርሱ።+ 53 ኣነ ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ ብርግጽ ክህበኩም እየ እሞ፡ ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ክትቅመጡ ኢኹም።+ 54 ነታ ምድሪ ኣብ መንጎ ዓሌታትኩም ብዕጫ ተማቒልኩም+ ተረስተይዋ። ነቶም ብዙሓት፡ ርስቲ ኣግፍሑሎም፣ ነቶም ሒደት ከኣ፡ ርስቲ ኣንእሱሎም።+ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጫኡ ዝበጽሓቶ ይረስተ። በብነገዳት ኣቦታትኩም ተረስተዩ።+ 55 “‘ነቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ቅድሜኹም እንተ ዘይሰጒጕኩምዎም ግና፡+ እቶም ዘትረፍኩምዎም ኣብ ኣዒንትኹም ከም መሳቐዪ፡ ኣብ ጐድንኹም ከኣ ከም እሾዅ ኪዀኑኹም እዮም፣ ኣብታ እትቕመጡላ ምድሪ ድማ ኬጨንቑኹም እዮም።+ 56 ኣነ ኸኣ ከምቲ ንዓታቶም ክገብሮም ዝሓሰብኩ፡ ንዓኻትኩም ከምኡ ኽገብረኩም እየ።’”+ 10 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንዓኻ ኽልተ መለኸት ግበር፣+ ንብሩር ብሞደሻ ቐጥቂጥካ ስርሓዮ፡ ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ንምንቃልን ከኣ ተጠቐመሉ። 3 ክልቲኡ ምስ ዚንፋሕ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናባኻ ይተኣከብ።+ 4 ሓደ ጥራይ እንተ ተነፊሑ ኸኣ፡ እቶም ሹማምንቲ፡ እቶም ርእስታት ኣሽሓት እስራኤል፡ ጥራይ ናባኻ ይተኣከቡ።+ 5 “ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ምስ እትነፍሑ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ሰፈራት+ ይንቀል። 6 ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ካልኣይ ሳዕ ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ደቡብ ዘሎ ሰፈራት+ ይንቀል። ሓዲኦም ኪነቕሉ ኸለዉ፡ በዚ ኸምዚ መለኸት ይንፍሑ። 7 “እቲ ኣኼባ ምስ ዚጽዋዕ፡ ነቲ መለኸታት ንፍሕዎ፣+ ግናኸ፡ ብተለዋዋጢ ደሃይ ኣይትንፍሕዎ። 8 ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት፡ ነቲ መለኸታት ይንፍሕዎ፣+ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹነልኩም። 9 “ኣብ ምድርኹም ምስ ዜጨንቐኩም ጨቋኒ ኽትዋግኡ ምስ እትኸዱ፡ በቲ መለኸታት፡ ጻውዒት ውግእ ንፍሑ፣+ የሆዋ ኣምላኽኩም ድማ ኪዝክረኩም እዩ፣ ካብ ጸላእትኹም ከኣ ክትድሕኑ ኢኹም። 10 “ብመዓልቲ ሓጐስኩም፡+ ማለት ብበዓላትኩምን+ ብመጀመርታ ኣዋርሕኩምን፡ ኣብ ልዕሊ ዚሓርር መስዋእትኹምን+ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ሕብረትኩምን+ መለኸታት ንፍሑ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም ከኣ መዘከርታ ኪዀነልኩም እዩ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።”+ 11 ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 20 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር+ ምስክር ተላዕለ። 12 እስራኤላውያን ከኣ ከከምቲ መስርዕ ኣነቓቕላኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፣+ እቲ ደበና ድማ ኣብ በረኻ ጳራን ቈመ።+ 13 እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ ስዒቦም ንፈለማ ግዜ ዝነቐሉሉ እዋን እዚ ነበረ።+ 14 ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ኸኣ በብሰራዊቱ ቐዳማይ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ። 15 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር ነበረ። 16 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን ነበረ። 17 ነቲ ማሕደር ምስ ኣውረድዎ፡+ እቶም ነቲ ማሕደር ዚጾሩ ደቂ ጌርሾንን+ ደቂ መራሪን+ ነቐሉ። 18 ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ሮቤል ከኣ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር ነበረ። 19 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከኣ፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ። 20 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል ነበረ። 21 እቶም ኣቕሑ መቕደስ ዚጾሩ ቀሃታውያን+ ከኣ ነቐሉ። ክሳዕ ዚበጽሑ፡ እቲ ማሕደር ተተኺሉ ኺጸንሖም ነበሮ። 22 ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ከኣ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ። 23 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ኸኣ፡ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር ነበረ። 24 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ድማ፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ ነበረ። 25 ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ዳን ከኣ፡ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኰይኑ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ። 26 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን ነበረ። 27 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ድማ፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን ነበረ። 28 እስራኤላውያንን ሰራዊቶምን ኪነቕሉ ኸለዉ ዚስዕብዎ ስርዓት ኣነቓቕላ እዚ ነበረ።+ 29 ሙሴ ኸኣ ንሖባብ ወዲ ረዑኤል*+ እቲ ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ “ንሕና ናብታ የሆዋ፡ ‘ንዓኻትኩም ክህበኩም እየ’+ ዝበለና ቦታ ንብገስ ኣለና። የሆዋ ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ስለ ዘተስፈወ፡+ ምሳና ኺድ እሞ፡+ ጽቡቕ ጌርና ኽንሕዘካ ኢና” በሎ። 30 ንሱ ግና፡ “ኣይከይድን። ናብ ሃገረይን ናብ ኣዝማደይን ደኣ ኽምለስ እየ” በሎ። 31 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር ትፈልጥ ኢኻ፡ መራሕ መገዲ* ኽትኰነና ድማ ትኽእል ኢኻ እሞ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና። 32 ምሳና እንተ ኼድካ ድማ፡+ ከምቲ የሆዋ ንዓና ዚገብረልና ዘበለ ጽቡቕ፡ ብርግጽ ከምኡ ኽንገብረልካ ኢና።” 33 ካብ ከረን የሆዋ+ ኸኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኺጕዓዙ ጀመሩ፣ ታቦት+ ኪዳን የሆዋ ድማ ዚዓርፉላ ቦታ ኺደልየሎም+ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐቅድሚኦም ተጓዕዘ። 34 ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ኸኣ፡ ደበና የሆዋ+ ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። 35 ታቦት ምስ ዚልዓል፡ ሙሴ፡ “ኦ የሆዋ፡ ተንስእ፡+ ጸላእትኻ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸልኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ። 36 ምስ ዚዓርፍ ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ናብቶም ኣእላፋት ኣሽሓት እስራኤል ተመለስ”+ ይብል ነበረ። 14 ኵሉ እቲ ኣኼባ ድምጹ ዓው ኣበለ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ እታ ለይቲ እቲኣ ብመላኣ ኺጭርሕን ኪበክን ሓደረ።+ 2 ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ፣+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ነቐፎም፦ “ኣብ ምድሪ ግብጺ ሞይትና እንተ ንኸውን፡ ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ሞይትና እንተ ንኸውን መን ምሃበ፧ 3 የሆዋ ብሰይፊ ኽንወድቕ ኢሉ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ዜእትወና ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧+ ኣንስትናን ደቅናን ኪማረኹ እዮም።+ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ኣይሕሸናን፧”+ 4 ንሓድሕዶም ከኣ፡ “መራሒ ንሽም እሞ፡ ናብ ግብጺ ንመለስ!” ተባሃሃሉ።+ 5 ሽዑ፡ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ጉባኤ ኣኼባ እስራኤላውያን ብገጾም ተደፍኡ። 6 እቶም ካብቶም ሰለይቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ እያሱ+ ወዲ ነዌን ካሌብ+ ወዲ የፉነን ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ፣ 7 ንዅሉ እቲ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ።+ 8 የሆዋ ብኣና ባህ እንተ ኢልዎስ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ፡ ናብዛ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ብርግጽ ኬእትወና፡ ንዓና እውን ኪህበና እዩ።+ 9 ካብ የሆዋ ግዳ ኣይትዕለዉ፣ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ኣይትፍርህዎም።+ ዕቝባኦም ካባታቶም ኣልጊሱ እዩ፡ የሆዋ ኸኣ ምሳና እዩ፡+ ኣይትፍርህዎም።” 10 ኵሉ እቲ ኣኼባ ግና፡ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ።+ ግናኸ፡ ክብሪ የሆዋ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ተራእየ።+ 11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መዓስ እዩ ዚንዕቀኒ፧+ በቲ ዅሉ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝገበርክዎ ትእምርትታት፡ ክሳዕ መዓስ እዮም ዘይኣምኑኒ፧+ 12 ብለበዳ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፣ ንዓኻ ድማ ካባታቶም ዚዓብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ።”+ 13 ሙሴ ግና ንየሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ሽዑ፡ ግብጻውያን፡ እቶም ካብ ማእከሎም እኳ ብሓይልኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ዘውጻእካዮ፡ እዚ ኺሰምዑ እዮም፣+ 14 ንነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኪነግርዎም እዮም። እዚኣቶም እውን ንስኻ የሆዋ ኣብ መንጎ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝዀንካን+ ገጽ ንገጽ ከም እተረኣኻዮምን ሰሚዖም ኣለዉ።+ ንስኻ የሆዋ ኢኻ፣ ደበናኻ እውን ኣብ ልዕሊኦም ቈይሙ ኣሎ፣ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ትኸይድ ኣለኻ።+ 15 ነዚ ህዝቢ እዚ ብሓንሳእ* እንተ ቐቲልካዮ፡ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ኣህዛብ፡ 16 ‘የሆዋ ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ኺህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ በረኻ ሓሪድዎም’ ኪብሉ እዮም።+ 17 ሕጂ ኸኣ በጃኻ የሆዋ፡ ሓይልኻ ይዕበ፡ ከምቲ ኸምዚ ኢልካ ዘተስፎኻዮ ድማ ይኹን፦ 18 ‘የሆዋ፡ ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን፡*+ ስሕተትን ኣበሳን ዚሓድግ፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ፡ ስሕተት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቂ፡ ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዚቐጽዕ።’+ 19 ስሕተት እዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ኽሳዕ ሕጂ ዝሓደግካሉ፡ በጃኻ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ዓብዪ ፍቕርኻ ይቕረ በል።”+ 20 የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለዮም እየ።+ 21 ግናኸ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ኵላ ምድሪ ብኽብሪ የሆዋ ኽትመልእ እያ።+ 22 ካብቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን+ ርእዮም ክነሶም፡ ዓሰርተ ሳዕ ዝፈተኑኒ፡+ ቃለይ እውን ዘይሰምዑ ሰባት ግና፡+ ሓደ እኳ 23 ነታ ንኣቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይኪርእያን እዩ። እወ፡ ካብቶም ዚንዕቁኒ፡ ሓደ እኳ ኣይኪርእያን እዩ።+ 24 ጊልያይ ካሌብ+ ግና እተፈልየ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፡ ብምሉእ ልቡ እውን ስለ ዝሰዓበኒ፡ ንዕኡ ብርግጽ ናብታ ኸይድዋ ዝነበረ ምድሪ ኸእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪርስተያ እዩ።+ 25 ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን+ ኣብ ስንጭሮ* ይቕመጡ ስለ ዘለዉ፡ ጽባሕ ተመለሱ፡ ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢልኩም ድማ ናብ በረኻ ንቐሉ።”+ 26 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 27 “እዚ ኽፉእ ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መዓስ እዩ ኣብ ልዕለይ ኬጕረምርም፧+ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምዎ ምጕርምራም ሰሚዐዮ ኣለኹ።+ 28 ከምዚ በሎም፦ ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡” ይብል የሆዋ፡ “ከምቲ ኽትዛረብዎ ዝሰማዕክዎ፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ!+ 29 ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ እተመዝገብኩም ዘበልኩም ኵልኹም ቍጹራት፡ ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምኩም ኵላትኩም፡+ ሬሳታትኩም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።+ 30 ብዘይካ ካሌብ ወዲ የፉነን እያሱ ወዲ ነዌን፡+ ናብታ ኣብኣ ኸንብረኩም ኢለ ዝመሓልኩላ* ምድሪ ኣይክትኣትዉን ኢኹም።+ 31 “‘“ነቶም ምርኮ ኪዀኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ከኣ ከእትዎም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ነታ ዝነዓቕኩምዋ ምድሪ ኺፈልጥዋ እዮም።+ 32 ሬሳታትኩም ግና ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ። 33 ደቅኹም ከኣ ኣብ በረኻ 40 ዓመት ጓሶት ኪዀኑ እዮም፣+ ካባኻትኩም እቲ ናይ መወዳእታ ሬሳ ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚወድቕ፡ ብጥልመትኩም* ተሓተትቲ ኪዀኑ እዮም።+ 34 ከም ቍጽሪ እተን ነታ ምድሪ ዝሰለኹምለን መዓልትታት፡ 40 መዓልቲ፡+ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ንስሕተትኩም 40 ዓመት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም፣+ ንዓይ ምጽራር* እንታይ ማለት ምዃኑ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም። 35 “‘“ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። ንዅሉ እዚ ኣንጻረይ ዝሓበረ ኽፉእ ኣኼባ እዚ፡ ከምኡ ኽገብሮ እየ፦ ኣብዚ በረኻ እዚ ኺውድኡ እዮም፡ ኣብዚ እውን ኪሞቱ እዮም።+ 36 እቶም ነታ ምድሪ ኺስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም እሞ፡ ምስ ተመልሱ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜጕረምርም ዝገበሩ ሰባት፡+ 37 እወ፡ እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺውቅዑን ኪሞቱን እዮም።+ 38 እቶም ካብቶም ሰለይቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፉነን ግና፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብሩ እዮም።”’”+ 39 ሙሴ፡ እዚ ቓላት እዚ ንዅሎም እስራኤላውያን ምስ ተዛረቦም፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ሓዘነ። 40 ንግሆ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ፡ “ሓጢእና ኢና እሞ፡ ናብታ የሆዋ ዝበለና ቦታ ንምድያብ ተዳሊና እነና” እናበሉ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይቡ ፈተኑ።+ 41 ሙሴ ግና ከምዚ በሎም፦ “ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዝ የሆዋ እትጥሕሱ ዘለኹም፧ እዚ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ። 42 የሆዋ ምሳኻትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣይትደይቡ፣ ብጸላእትኹም ክትስዓሩ ኢኹም።+ 43 ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንንሲ ኺገጥሙልኩም ኣብኡ ኣለዉ፣+ ብሰይፊ ኸኣ ክትወድቁ ኢኹም። ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ስለ እተመለስኩም፡ የሆዋ ድማ ምሳኻትኩም ኣይኪኸውንን እዩ።”+ 44 ንሳቶም ግና ብድፍረት ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ፣+ ታቦት ኪዳን የሆዋን ሙሴን ግና ካብ ማእከል ሰፈር ኣይለቐቑን።+ 45 እቶም ኣብቲ ኸረን ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሖርማ ኸኣ ፋሕ ኣበልዎም።+ 9 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ+ እታ ኻልአይቲ ዓመት፡ የሆዋ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “እስራኤላውያን ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ+ መስዋእቲ ፋስጋ+ የዳልዉ። 3 ኣብ መበል 14 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ፡ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ኣዳልዉ። ከም ኵሉ ሕግታቱን ከም ኵሉ ስርዓታቱን ጌርኩም ኣዳልውዎ።”+ 4 ሙሴ ኸኣ ንእስራኤላውያን መስዋእቲ ፋስጋ ኼዳልዉ ተዛረቦም። 5 ንሳቶም ድማ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ኣብ በረኻ ሲና መስዋእቲ ፋስጋ ኣዳለዉ። እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ከምኡ ገበሩ። 6 ሬሳ ብምትንካዮም* ዝረኸሱ ሰባት ድማ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ መስዋእቲ ፋስጋ ኼዳልዉ ኣይከኣሉን። እቶም ሰባት እቲኦም ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣሮንን ቀሪቦም፡+ 7 “ሬሳ ብምትንካይና* ረኺስና ኢና። ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ንየሆዋ መስዋእቲ ኸይነቕርብ ስለምንታይ እንኽልከል፧”+ በልዎ። 8 ሙሴ ኸኣ፡ “የሆዋ ብዛዕባኹም ዚእዝዞ ኽሰምዕሲ፡ ኣብኡ ጽንሑ” በሎም።+ 9 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 10 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ዝዀነ ሰብ ሬሳ ብምትንካዩ* እኳ እንተ ረኸሰ፡+ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እኳ እንተሎ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ የዳሉ። 11 ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡+ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ጽልግልግ ምስ በለ* የዳልውዎ። ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።+ 12 ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣየትርፉ፣+ ካብ ዓጽሙ ኸኣ ገለ እኳ ኣይስበሩ።+ ከም ኵሉ ሕጊ ፋስጋ ገይሮም የዳልውዎ። 13 ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ንጹህ ክነሱ፡ ወይ ኣብ መገዲ ዘይኰነ ኽነሱ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ንምድላው ዕሽሽ እንተ ኢሉ፡ መስዋእቲ የሆዋ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ስለ ዘየቕረበ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።+ እቲ ሰብ እቲ ብሓጢኣቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ። 14 “‘ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና እንተሎ፡ ንሱ እውን ንየሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ የዳሉ።+ ከም ሕግን ስርዓትን ፋስጋ ገይሩ ይግበር።+ ንጓና ዀነ ወይ ንወዲ ዓዲ ሓደ ሕጊ ይሃሉኹም።’”+ 15 በታ እቲ ማሕደር እተተኽለላ መዓልቲ ድማ፡+ ደበና ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምስክር፡ ኣጐልበቦ፣ ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ግና ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ።+ 16 ወትሩ ከምኡ ይኸውን ነበረ፦ ብመዓልቲ እቲ ደበና የጐልብቦ ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ትርኢት ሓዊ።+ 17 እቲ ደበና ኻብቲ ድንኳን ምስ ዚልዓል፡ እስራኤላውያን ብቕልጡፍ ይነቕሉ ነበሩ፣+ እቲ ደበና ኣብ ዚጸንሓሉ ቦታ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።+ 18 እስራኤላውያን ብትእዛዝ የሆዋ ይነቕሉ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ኸኣ ይሰፍሩ ነበሩ።+ እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ክሳዕ ዝጸንሐ፡ ሰፊሮም ይጸንሑ ነበሩ። 19 እቲ ደበና ብዙሕ መዓልትታት ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር እንተ ጸንሐ፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ ይእዘዝዎ፡ ካብኡ እውን ኣይነቕሉን ነበሩ።+ 20 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ደበና ንሒደት መዓልትታት ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ይጸንሕ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ብትእዛዝ የሆዋ ሰፊሮም ይጸንሑ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ድማ ይነቕሉ ነበሩ። 21 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ደበና ኻብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ጥራይ ይጸንሕ ነበረ፣ ንግሆ እቲ ደበና ምስ ተላዕለ ኸኣ፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና ብመዓልቲ ዀነ ብለይቲ ምስ ተላዕለ፡ ይነቕሉ ነበሩ።+ 22 እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ክልተ መዓልቲ፡ ወይ ወርሒ፡ ወይ ካብኡ ዝነውሐ ኽሳዕ ዝጸንሐ፡ እስራኤላውያን ሰፊሮም ይጸንሑ፡ ካብኡ ድማ ኣይነቕሉን ነበሩ። ምስ ተላዕለ ግና፡ ይነቕሉ ነበሩ። 23 ብትእዛዝ የሆዋ ይሰፍሩ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ኸኣ ይነቕሉ ነበሩ። ነቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ግዴታ ድማ ይሕልዉ ነበሩ። 27 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ+ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ ነበረ። 2 ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን+ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን ከምዚ በላ፦ 3 “ኣቦና ኣብ በረኻ እዩ ሞይቱ፣ ግናኸ፡ ብሓጢኣቱ ደኣ እዩ ሞይቱ እምበር፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣንጻር የሆዋ እተኣከቡ ደገፍቲ ቆራሕ ኣይነበረን፣+ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። 4 ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ዓሌቱ ዚጠፍእ፧ ኣብ መንጎ ሓወቦታትና ርስቲ ሃበና።” 5 ሙሴ ድማ፡ ነቲ ነገረን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረቦ።+ 6 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 7 “ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ቕኑዕ እዩ። ኣብ መንጎ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፣ ርስቲ ኣቦአን ድማ ናባታተን ኣሕልፎ።+ 8 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰብ፡ ወዲ ኸይሓደገ እንተ ሞይቱ፡ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። 9 ጓል እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ ርስቱ ንኣሕዋቱ ሃብዎም። 10 ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ፡ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሃብዎም። 11 ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ነቲ ዝቐረበ ዘመዱ ሃብዎ፡ ንሱ ድማ ይረስተዮ። እዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንእስራኤላውያን ብፍርዲ ዝቘመ ሕጊ ይኹን።’” 12 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብዚ ኸረን ዓባሪም ደይብ፡+ ነታ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ኸኣ ርኣያ።+ 13 ምስ ረኣኻያ፡ ከምቲ ሓውካ ኣሮን እተኣከበ፡+ ንስኻ እውን ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ።*+ 14 ከመይሲ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ምሳይ ምስ ተቛየቘ፡ ብዛዕባ እቲ ማይ ኣብ ቅድሚኦም ከይትቕዱሱኒ ኻብ ትእዛዘይ ዓሊኹም ኢኹም።+ እዚ ኣብ ቃዴስ+ ኣብ በረኻ ጺን+ ዚርከብ ማይ መሪባ+ እዩ።” 15 ሙሴ ድማ ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 16 “የሆዋ፡ እቲ ኣምላኽ መንፈስ ኵሉ ሰብ፡* ኣብ ልዕሊ እቲ ኣኼባ ሰብኣይ ይሽም፣ 17 ኣኼባ የሆዋ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ዚኣቱን ዚወጽእን፡ ዜውጽኦምን ዜእትዎምን ይኹን።” 18 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእያሱ ወዲ ነዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ውሰዶ እሞ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ 19 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ድማ ደው ኣብሎ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ መዝዞ።+ 20 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺሰምዖ፡+ ገለ ኻብ ስልጣንካ* ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ 21 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ብፍርዲ ኡሪም+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚሓትተሉ ኻህን ኣልኣዛር ደው ኪብል እዩ። ብትእዛዙ ኺወጹ፡ ብትእዛዙ ኸኣ ኪኣትዉ እዮም፣ ማለት ንሱን ኵሎም እስራኤላውያን ከኣ ምስኡን ኵሉ እቲ ኣኼባን።” 22 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ንእያሱ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ደው ኣበሎ፡ 23 ኣእዳዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረ፣ ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦ ድማ መዘዞ።+ 13 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ነታ ኣነ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ከነኣን ዚስልዩ* ሰባት ስደድ። ከካብ ነገድ ኣቦታት፡ ነፍሲ ወከፍ ካባታቶም+ ሹም+ ዝዀነ ሓሓደ ሰብ ስደዱ።” 3 ሙሴ ኸኣ ብትእዛዝ የሆዋ፡ ካብ በረኻ ጳራን ሰደዶም።+ ኵሎም እቶም ሰባት፡ ርእስታት እስራኤላውያን ነበሩ። 4 ስማቶም ድማ እዚ እዩ፦ ካብ ነገድ ሮቤል፡ ሻሙዓ ወዲ ዛኩር፣ 5 ካብ ነገድ ስምኦን፡ ሻፋጥ ወዲ ሖሪ፣ 6 ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፣ 7 ካብ ነገድ ይሳኮር፡ ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፣ 8 ካብ ነገድ ኤፍሬም፡ ሆሼዓ+ ወዲ ነዌ፣ 9 ካብ ነገድ ብንያም፡ ጳልጢ ወዲ ራፉ፣ 10 ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ጋዲኤል ወዲ ሶዲ፣ 11 ካብ ነገድ ዮሴፍ፡+ ካብ ነገድ ምናሴ፡+ ጋዲ ወዲ ሱሲ፣ 12 ካብ ነገድ ዳን፡ ዓሚኤል ወዲ ገማሊ፣ 13 ካብ ነገድ ኣሴር፡ ስቱር ወዲ ሚካኤል፣ 14 ካብ ነገድ ንፍታሌም፡ ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፣ 15 ካብ ነገድ ጋድ፡ ግዉኤል ወዲ ማኪ። 16 ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኺስልይዋ ሙሴ ዝለኣኾም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ድማ ንሆሼዓ ወዲ ነዌ፡ እያሱ*+ ኢሉ ስም ኣውጽኣሉ። 17 ሙሴ ንምድሪ ከነኣን ኪስልይዋ ኺሰድዶም ከሎ፡ ከምዚ በሎም፦ “ናብቲ ናብ ነጌብ ደይቡ፡ ናብ ኣኽራን እውን ደይቡ።+ 18 እታ ምድሪ ድማ ከመይ ከም ዝዀነት፡+ እቲ ኣብኣ ዚቕመጥ ህዝቢ ኸኣ ሓያል እንተ ዀይኑ ወይ ድኹም፡ ሒደት እንተ ዀይኑ ወይ ብዙሕ ርኣዩ፣ 19 እታ ምድሪ ጽብቕቲ እንተ ዀይና ወይ ሕማቕ፡ እተን ዚቕመጡለን ከተማታት ድማ ሰፈራት እንተ ዀይነን ወይ ዕርድታት ርኣዩ። 20 እታ ምድሪ ረጓድ* እንተ ዀይና ወይ ረቃቕ፡*+ ኣእዋም እንተ ኣለዋ ወይ እንተ ዘይብላ እውን ርኣዩ። ትብዑ፡+ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምጽኡ።” ሽዑ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ፍረ ወይኒ ዚበስለሉ ግዜ ነበረ።+ 21 ንሳቶም ድማ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ በረኻ ጺን+ ክሳብ እታ ኣብ ጥቓ ለቦ-ሓማት*+ እትርከብ ሬሖብ+ ሰለይዋ። 22 ናብ ነጌብ ደዪቦም፡ ናብ ኬብሮን መጹ፣+ ኣብኡ ኸኣ ኣሒማንን ሸሻይን ታልማይን+ እቶም ዓናቂም+ ይነብሩ ነበሩ። ኬብሮን ድማ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ጾዓን ናይ ግብጺ እተሰርሐት ነበረት። 23 ናብ ስንጭሮ* ኤሽኮል+ ምስ መጹ፡ ኣብኡ ሓደ ዘለላ ወይኒ ዘለዎ ጨንፈር ቈሪጾም፡ ክልተ ዀይኖም ብመጾሪ ጾርዎ፣ ካብ ሮማንን ካብ በለስን እውን ከምኡ።+ 24 ነታ ቦታ እቲኣ ድማ፡ እስራኤላውያን ካብኣ ዘለላ ስለ ዝቘረጹ፡ ስንጭሮ* ኤሽኮል*+ በልዋ። 25 ኣብ መወዳእታ 40 መዓልቲ+ ኸኣ፡ ካብ ምስላይ እታ ምድሪ ተመልሱ። 26 ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ኵሎም ኣኼባ እስራኤላውያንን ድማ፡ ናብ በረኻ ጳራን፡ ናብ ቃዴስ ተመሊሶም መጹ።+ ንዅሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ወረ ኣምጽኡሉ፡ ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም። 27 ከምዚ ኢሎም ድማ ንሙሴ ኣውረዩሉ፦ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ ኣቲና፣ ንሳ ኸኣ ብሓቂ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፣+ ፍሪኣ ድማ እዚ እዩ።+ 28 ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፣ እተን እተዓርዳ ኸተማታት ድማ ኣዝየን ዓበይቲ እየን። ኣብኡ እውን ዓናቂም ርኢና።+ 29 ኣማሌቃውያን+ ከኣ ኣብ ምድሪ ነጌብ+ ይቕመጡ ኣለዉ፣ ሔታውያንን ይቡሳውያንን+ ኣሞራውያንን+ ድማ ኣብ ኣኽራን ይቕመጡ ኣለዉ፣ ከነኣናውያን+ ከኣ ኣብ ጥቓ ባሕርን+ ኣብ ወሰናስን ዮርዳኖስን ይቕመጡ ኣለዉ።” 30 ካሌብ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኢሎም ከለዉ፡ “ብርግጽ ክንስዕራ ንኽእል ኢና እሞ፡ ንደይብ ደኣ፡ ብርግጽ ድማ ክንርስተያ ኢና” ኢሉ ኼህድኦም ፈተነ።+ 31 እቶም ምስኡ ደዪቦም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ “እቶም ህዝቢ ኻባና ይሕይሉ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ክንድይብ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።+ 32 ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸኣ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሎም ክፉእ ኣውረዩሎም፦+ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፡ ነቶም ዚነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ፣ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝርኣናዮም ሰባት ድማ ገዘፍቲ እዮም።+ 33 ኣብኣ ኸኣ ካብ* ነፊሊም ዝዀኑ፡ ነፊሊም ደቂ ዓናቅ ርኢና፣+ ብኣረኣእያና ዀነ ብኣረኣእያኦም ድማ ንሕና ኸም ጐደበ ዀንና።” 5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንዅሉ ድዉይን+ ንዅሉ ፈሳሲ ዚክዓዎን+ ንዅሉ ብምዉት ሰብ* ዝረኸሰን+ ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም። 3 ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ ኣውጽእዎም። ንሰፈራት እቶም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘለኹ+ ምእንቲ ኸይብክሉ፡+ ካብ ሰፈር ኣውጽእዎም።” 4 እስራኤላውያን ከኣ ከምኡ ገበሩ፡ ካብ ሰፈር ድማ ኣውጽእዎም። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝበሎ፡ እስራኤላውያን ከምኡ ገበሩ። 5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 6 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፡ ሓደ ኻብቲ ሰብ ዚገብሮ ሓጢኣት እንተ ገይሩ፡ ንየሆዋ ኸኣ እንተ ጠሊምዎ፡ እቲ ሰብ* እቲ በዳሊ ዀይኑ ኣሎ።+ 7 እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ፡*+ ምሉእ ካሕሳ በደሉ ኸኣ ይምለስ፡ ሓምሻይ ኣፍ ድማ ይወስኸሉ፡+ ነቲ ዝበደሎ እውን ይሃቦ። 8 እቲ እተበደለ፡ ነቲ ኻሕሳ ዚቕበል ናይ ቀረባ ዘመድ እንተ ዘይብሉ፡ ናብ የሆዋ ይመለስ፡ ምስቲ ዜተዓርቐሉ ድዑል ዕርቂ ድማ፡ ናይቲ ኻህን ይኹን።+ 9 “‘ካብ እስራኤላውያን ንኻህን ዚቐርብ ኵሉ ቕዱስ መባእ፡+ ናቱ ይኹን።+ 10 ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅዱስ ነገር፡ ናቱ ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኻህን ዚህቦ፡ ናይቲ ኻህን ይኹን።’” 11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንሰብኣይ፡ ሰበይቱ ስሒታ እንተ ጠሊማቶ፡ 13 ካልእ ሰብኣይ ከኣ ምስኣ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡+ እዚ ግና ብሰብኣያ እንተ ዘይተፈሊጡ፡ ካብኡ ኸኣ እንተ ተሰቲሩ፡ ማለት ረኺሳ ኽነሳ፡ ምስክር እንተ ዘይተረኺቡላ እሞ እንተ ዘይተታሒዛ፡ ከምዚ ይገበር፦ 14 እቲ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ምስ ረኸሰት እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ ወይ ሰበይቱ ኸይረኸሰት እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ 15 እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ። ምስኣ ድማ መስዋእታ ዚኸውን ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ሓርጭ ስገም የምጽእ። ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ፡ ማለት በደል ዜዘክር መስዋእቲ እኽሊ ስለ ዝዀነ፡ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፡ ጻዕዳ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ። 16 “‘እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ።+ 17 እቲ ኻህን ከኣ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቕዱስ ማይ ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ድማ ገለ ኻብቲ ኣብ ባይታ እቲ ማሕደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ፡ ኣብቲ ማይ ይግበሮ። 18 እቲ ኻህን ከኣ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ፡ ጸጕሪ እታ ሰበይቲ ድማ ይፍታሕ፡ ነቲ ንመዘከርታ ዚኸውን መስዋእቲ እኽሊ፡ ማለት ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ+ እውን ኣብ ኢዳ የንብር፣ እቲ ኻህን ከኣ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሓዝ።+ 19 “‘እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ ኸምዚ ኢሉ የምሕላ፦ “ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣይኪ ኸለኺ፡+ ካልእ ሰብኣይ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይገይሩ፡ እንተ ዘይስሒትክን እንተ ዘይረኺስክን፡ ካብ ሳዕቤን እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ እዚ ሓራ ኹኒ። 20 ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣይኪ ኸለኺ፡ ስሒትኪ እንተ ረኺስኪ፡ ብዘይካ ምስ ሰብኣይኪ ድማ ምስ ካልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ እንተ ጌርኪ+ ግና፡—” 21 ሽዑ፡ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ መርገም ዜጠቓልል ማሕላ የምሕላ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነታ ሰበይቲ ኸምዚ ይበላ፦ “የሆዋ ንሰለፍኪ* ብምውዳቑን* ንኸብድኺ ብምንፋሑን፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ። 22 እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ንኸብድኺ ኺነፍሕን ንሰለፍኪ* ኼውድቕን* ናብ ኣምዑትኪ ይእቶ።” እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ኣሜን! ኣሜን!”* ትበል። 23 “‘እቲ ኻህን ከኣ ነዚ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፎ፡ በቲ መሪር ማይ ድማ ይደምስሶ። 24 ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ የስትያ፣ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ድማ ናብኣ ይእቶ እሞ፡ ይምረራ። 25 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ+ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይወዝውዞ፡ ናብቲ መሰውኢ እውን የቕርቦ። 26 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ ኪኸውን ዕማዅ ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣+ ድሕሪኡ፡ ነታ ሰበይቲ፡ እቲ ማይ የስትያ። 27 ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ዀይና፡ ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ናብኣ ኣትዩ ኺመርራ እዩ፣ ከብዳ ኸኣ ኪንፋሕ እዩ፡ ሰለፋ* ድማ ኪወድቕ* እዩ፣ እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ መንጎ ህዝባ መራገሚ ኽትከውን እያ። 28 እታ ሰበይቲ እንተ ዘይረኺሳ፡ ንጽህቲ ድማ እንተ ዀይና ግና፡ ካብዚ መቕጻዕቲ እዚ ሓራ ኽትከውን እያ፣ ክትጠንስን ዘርኢ ኽትረክብን እያ። 29 “‘ሕጊ ቕንኢ እዚ እዩ፦+ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣያ ኸላ፡ እንተ ስሒታን እንተ ጠሊማቶን፡ 30 ወይ ሰብኣይ እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ ንሰበይቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኵሉ እዚ ሕጊ እዚ ይግበረላ። 31 እቲ ሰብኣይ ድማ ካብ በደል ሓራ ይኸውን፣ ሰበይቱ ግና ብበደላ ተሓታቲት ክትከውን እያ።’” 21 እቲ ኣብ ነጌብ ዚቕመጥ ዝነበረ ንጉስ ዓራድ+ እቲ ከነኣናዊ፡ እስራኤል ብመገዲ ኣታሪም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ንእስራኤል ኣጥቂዑ፡ ገለ ኻባታቶም ማሪኹ ወሰደ። 2 እስራኤል ከኣ፡ “ነዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካኒ፡ ከተማታቶም ብርግጽ ከጥፍአን እየ” ኢሉ ንየሆዋ ተመባጽዐ። 3 የሆዋ ድማ ቃል እስራኤል ሰሚዑ፡ ንከነኣናውያን ኣብ ኢዶም ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ንዓታቶምን ንኸተማታቶምን ኣጥፍእዎም። ስለዚ፡ ስም እታ ቦታ እቲኣ ሖርማ* ተባህለ።+ 4 እቶም ህዝቢ ኻብ ከረን ሆር+ ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ኢሎም ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ኪጕዓዙ ኸለዉ፡+ ብመገዲ ዓቕሎም ጸበቦም።* 5 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ኣብ በረኻ ኽንመውት ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደይብኩምና፧ ኣብዚ እንጌራን ማይን የልቦን፡+ ነዚ ንዑቕ እንጌራ ድማ ጸሊእናዮ ኢና”*+ ኢሎም ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ተዛረቡ።+ 6 የሆዋ ኸኣ ናብ መንጎ እቲ ህዝቢ መርዛማት* ኣትማን ሰደደ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ህዝቢ ይነኽስዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ሞቱ።+ 7 እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ “ኣንጻር የሆዋን ኣንጻርካን ብምዝራብና ሓጢእና ኢና።+ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና፡ ንየሆዋ ለምነልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ።+ 8 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ምስሊ መርዛም* ተመን ግበር እሞ፡ ኣብ ዓንዲ ስቐሎ። እተነኽሰ ዘበለ ኸኣ፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር፡ ናብኡ ይጠምት” በሎ። 9 ብኡብኡ፡ ሙሴ ኻብ ነሓሲ ተመን ገበረ፡+ ኣብ ዓንዲ እውን ሰቐሎ፣+ ተመን ንሰብ ምስ ዚነክስ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብቲ ተመን ነሓሲ ምስ ዚጥምት ብህይወት ይነብር ነበረ።+ 10 ድሕርዚ፡ እስራኤላውያን ነቒሎም፡ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።+ 11 ካብ ኦቦት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዒየ-ዓባሪም፡+ ኣብቲ ኣብ መንጽር ሞኣብ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ በረኻ ሰፈሩ። 12 ካብኡ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ስንጭሮ* ዘሬድ ሰፈሩ።+ 13 ካብኡ ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኻብ ዶብ ኣሞራውያን ዚዝርጋሕ በረኻ ዘሎ ዞባ ኣርኖን ሰፈሩ፣+ ኣርኖንሲ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ዶብ ሞኣብ እዩ። 14 ስለዚ እዩ መጽሓፍ ውግእ የሆዋ ኸምዚ ዚብል፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋን ስንጭሮታት* ኣርኖንን፡ 15 ናብቲ ሰፈር ዓር ዚዝርጋሕን ኣብ ዶብ ሞኣብ ዚጽጋዕን ቍልቍለት* እቲ ስንጭሮታት።”* 16 ካብኡ ኸኣ ናብ ብኤር ከዱ። እቲ የሆዋ ብዛዕባኡ ንሙሴ፡ “ነቲ ህዝቢ ኣክቦ፡ ኣነ እውን ማይ ክህቦም እየ” ዝበሎ ዒላ እዚ እዩ። 17 ሽዑ፡ እስራኤል፡ እዚ መዝሙር እዚ ዘመረ፦ “ኦ ዒላ፡ ፈልፍል!—ተቐበልዎ!* 18 እቲ ብዘንጊ ኣዛዚ፡ ብኣባትሮምመሳፍንቲ ዝዀዓትዎ፡ ልዑላን ህዝቢ ኸኣ ዝፈሓርዎ ዒላ።” ካብቲ በረኻ ኸኣ ናብ ማታና፡ 19 ካብ ማታና ድማ ናብ ናሓሊኤል፡ ካብ ናሓሊኤል ከኣ ናብ ባሞት ከዱ።+ 20 ካብ ባሞት ድማ ኣብ ሃገር* ሞኣብ ናብ ዘሎ ስንጭሮ፡+ ናብቲ ናብ የሺሞን*+ ዜማዕዱ ርእሲ ጲስጋ+ ኸዱ። 21 እስራኤል ከኣ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦+ 22 “ብምድርኻ ኣሕልፈና። ናብ ግራት ወይ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይከነላግስን ኢና። ካብ ዒላ ኸኣ ማይ ኣይክንሰትን ኢና። ብሃገርካ ኽሳዕ እንሓልፍ፡ ብመገዲ ንጉስ ክንከይድ ኢና።”+ 23 ሲሆን ግና እስራኤል ብሃገሩ ኺሓልፍ ኣይፈቐደን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሲሆን ንዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ፡ ንእስራኤል ኪጻረሮ ናብ በረኻ ወጸ፣ ናብ ያሃጽ መጺኡ ድማ፡ ምስ እስራኤል ተዋግአ።+ 24 እስራኤል ግና ብሰይፊ ወቕዖ፡+ ካብ ኣርኖን+ ክሳብ ያቦቅ፡+ ክሳብ ጥቓ ዓሞናውያን ዘሎ ምድሩ እውን ተረስተየ፣+ ከመይሲ፡ ያዕዜር+ ኣብ ዶብ ሃገር ዓሞናውያን ነበረ።+ 25 እስራኤል ድማ ንዅለን እተን ከተማታት እቲአን ወሰደን፣ ኣብ ኵለን ከተማታት ኣሞራውያን+ ከኣ፡ ኣብ ሔስቦንን ኣብ ኵለን ዓድታታን ተቐመጠ። 26 ከመይሲ፡ ሔስቦን ከተማ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ነበረት፣ ንሱ ድማ ምስ ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፡ ኵሉ ምድሩ ኽሳብ ኣርኖን ወሲዱሉ ነበረ። 27 ስለዚ እዩ ኸምዚ ዚብል ናይ ባጫ ምስላ እተመሰለ፦ “ናብ ሔስቦን ንዑ። ከተማ ሲሆን ትሰራሕን ብጽኑዕ ትሰረትን። 28 ከመይሲ፡ ካብ ሔስቦን ሓዊ፡ ካብ ከተማ ሲሆን ድማ ሃልሃልታ ወጸ። ንዓር ናይ ሞኣብ፡ ንጐይተት በረኽቲ ኣርኖን በልዐ። 29 ሞኣብ ወይለኻ! ኣታ ህዝቢ ከሞሽ፡ ጠፋእካ!+ ንኣወዳቱ ህዱማት፡ ንኣዋልዱ ምሩኻት ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ይገብሮም። 30 ንወርውረሎም፣ሔስቦን ክሳብ ዲቦን ክትጠፍእ እያ፣+ክሳብ ኖፋሕ ነጥፍኣያ፣ሓዊ ኽሳብ ሜድባ ኺዝርጋሕ እዩ።”+ 31 ስለዚ፡ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጠ። 32 ሙሴ ድማ ናብ ያዕዜር+ ዚስልዩ ሰደደ። ንሳቶም ከኣ ዓድታታ ሓዙ፡ ኣብኡ ንዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ሰጐጕዎም። 33 ተመሊሶም ከኣ ብመገዲ ባሳን ደየቡ። ዖግ+ ንጉስ ባሳን ከኣ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድረይ ብውግእ ኪቀባበሎም ወጸ።+ 34 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንዕኡን ንዅሉ ህዝቡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ኣይትፍርሃዮ።+ ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ ኸኣ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ” በሎ።+ 35 ንሳቶም ድማ ንዕኡ ምስ ደቁን ምስ ኵሉ ህዝቡን ሓደ ኻብ ህዝቡ ኽሳዕ ዘይተርፍ ወቕዕዎ፣+ ምድሩ ኸኣ ተረስተዩ።+ 15 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኽትነብሩላ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡+ 3 ንየሆዋ ኸኣ ካብ ከብቲ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ማለት ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን+ ዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ መስዋእቲ ፍሉይ መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍታው+ ወይ ኣብ በዓላትኩም ዚቐርብ መስዋእቲ+ ምስ እተቕርቡ፡ 4 እቲ መስዋእቱ ዜቕርብ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ ገይሩ እውን ብርብዒ ሂን* ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ የቕርብ።+ 5 ምስ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መምስ መስዋእቲ ገንሸል፡* ንመስዋእቲ መስተ ዚኸውን ርብዒ ሂን ወይኒ እውን ኣቕርብ።+ 6 ወይ ምስ ድዑል ብሲሶ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዐ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ግበር። 7 ንመስዋእቲ መስተ ድማ ሲሶ ሂን ወይኒ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣቕርብ። 8 “‘ንዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ ንመስዋእቲ ፍሉይ መብጽዓ+ ወይ ንመስዋእቲ ሕብረት+ ካብ ከብቲ ንየሆዋ ተባዕታይ እንተ ኣቕሪብካ ግና፡ 9 ምስቲ ዝራብዕ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ኪኸውን ብፍርቂ ስፍሪ ዘይቲ እተቘምጥዐ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ እውን ኣቕርብ። 10 ንመስዋእቲ መስተ+ ድማ፡ ፍርቂ ሂን ወይኒ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርብ። 11 ነንብዕራይ ወይ ነንድዑል ወይ ነንገንሸል ወይ ነንጤል ከምኡ ይገበር። 12 ከም ቍጽሪ እቶም እትስውእዎም፡ ከምኡ ነንሓዲኦም፡ ከም ቍጽሮም ግበሩ። 13 ወዲ ዓዲ ዘበለ እስራኤላዊ በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የቕርብ። 14 “‘ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ወይ ንሓያሎ ወለዶታት ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ዘበለ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እንተ ኣቕሪቡ፡ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር።+ 15 ኣብቲ ጉባኤ ንዘለኹም ንዓኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን። እቲ ጓና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸማኻትኩም ይኹን።+ 16 ንዓኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።’” 17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 18 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ 19 እንጌራ እታ ምድሪ ድማ ምስ በላዕኩም፡+ ንየሆዋ መባእ ኣቕርቡ። 20 ካብቲ በዅሪ ሓርጭኩም ዓንኬላዊ ቕጫ ጌርኩም መባእ ኣቕርቡ።+ ከም መባእ ዓውዲ ጌርኩም ሃቡ። 21 ካብቲ በዅሪ ሓርጭኩም ንውሉድ ወለዶኹም ንየሆዋ መባእ ሃቡ። 22 “‘እንተ ተጋጊኹም፡ ነዚ የሆዋ ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ድማ እንተ ዘይሓሊኹም፡ 23 ካብታ የሆዋ ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ንንየው ከኣ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዘኩም እንተ ዘይሓሊኹም፡ 24 እዚ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኸይፈለጠ ብጌጋ እንተ ተገይሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ሓደ ዝራብዕ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ከምቲ ስርዓቱ ገይሩ የቕርብ፣+ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ወጠጦ የቕርብ።+ 25 እቲ ኻህን ድማ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን የተዓርቕ፡ ሽዑ ይቕረ ኺብሃለሎም እዩ፣+ ከመይሲ፡ ብጌጋ እተገብረ እዩ፣ ብዛዕባ ጌጋኦም ድማ መስዋእቶም፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ መስዋእቲ ሓጢኣቶም ኣቕሪቦም እዮም። 26 ኣብ ብዘሎ ህዝቢ ብጌጋ እተገብረ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ይቕረ ኺብሃለሎም እዩ። 27 “‘ሓደ ሰብ* ብጌጋ እንተ ሓጢኡ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ኣርሕዶ* ንመስዋእቲ ሓጢኣት የቕርብ።+ 28 ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዘይፍላጥ ብምሕጣኡ እተጋገየ ሰብ* ንምትዕራቑ ኸኣ፡ እቲ ኻህን የተዓርቆ፣ ሽዑ ይቕረ ኺብሃለሉ እዩ።+ 29 ብዛዕባ እቲ ብዘይፍላጥ ዚግበር ነገር፡ ንወዲ ዓዲ ኻብ እስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።+ 30 “‘ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ እቲ ብፍላጥ ገለ ነገር ዚገብር ሰብ*+ ግና፡ ንሱ ንየሆዋ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ። 31 እቲ ሰብ* እቲ ንቓል የሆዋ ስለ ዝነዓቐ፡ ትእዛዙ ድማ ስለ ዘፍረሰ፡ ብርግጽ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።+ ስሕተቱ ኣብ ርእሱ እዩ።’”+ 32 እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ፡ ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንጨይቲ ኺኣሪ ረኸቡ።+ 33 እቶም ዕንጨይቲ ኺኣሪ ዝረኸብዎ ኸኣ፡ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ እቲ ኣኼባን ኣምጽእዎ። 34 እንታይ ኪገብርዎ ኸም ዚግባእ ስለ ዘይነጸረ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።+ 35 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ሰብኣይ እቲ ብርግጽ ይቀተል፣+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ” በሎ።+ 36 ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኡ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ። 37 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 38 “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ንውሉድ ወለዶኦም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ወሰን እቲ ዘፈር ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ እውን ንገሮም።+ 39 ‘ንዕኡ ርኢኹም፡ ንዅሉ ትእዛዛት የሆዋ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ምእንቲ ኽትገብርዎን፡ እዚ ዘፈር እዚ ይሃሉኹም።+ ናብ መንፈሳዊ ምንዝርና ዚመርሓኩም ልብኹምን ዓይንኹምን ኣይትስዓቡ።+ 40 እዚ ንምዝካር ኪሕግዘኩም እዩ፡ ኵሉ ትእዛዛተይ ከኣ ክትሕልዉ ኢኹም፡ ንኣምላኽኩም ድማ ቅዱሳት ክትኰኑ ኢኹም።+ 41 ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”+ 22 እስራኤላውያን ድማ ነቐሉ፡ ኣብቲ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ።+ 2 ባላቅ+ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ንኣሞራውያን ዝገበሮም ኵሉ ረኣየ፣ 3 ሞኣብ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ፈርሀ፣ ሞኣብ ድማ ብእስራኤላውያን ተሸበረ።+ 4 ሞኣብ ከኣ ንዓበይቲ ሚድያን፡+ “ብዕራይ ንሳዕሪ ኸም ዚበልዖ፡ እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ” በሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር ንጉስ ሞኣብ ነበረ። 5 ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ፈለግ* ኣብ እትርከብ ጴጦር እትብሃል ዓዱ ተቐሚጡ ዝነበረ በላዓም ወዲ ቤዖር ድማ ልኡኻት ለኣኸ።+ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸውዖ፦ “እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ፡ ንገጽ* ምድሪ* ኸዲኖምዋ ኣለዉ፣+ ኣብ መንጽረይ ድማ ተቐሚጦም ኣለዉ። 6 ንሳቶም ካባይ ይሕይሉ እዮም እሞ፡ ሕጂ ንዓ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ።+ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፡ ዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባት ክስዕሮምን ካብታ ምድሪ ኸውጽኦምን እኽእል እኸውን።” 7 ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ንጥንቍልና ዚኽፈል ክፍሊት ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ ቃል ባላቅ ነገርዎ።+ 8 ንሱ ድማ፡ “ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ፣ የሆዋ ዚነገረኒ ቓል ከኣ ክምልሰልኩም እየ” በሎም። እቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ድማ ምስ በላዓም ጸንሑ። 9 ኣምላኽ ከኣ ናብ በላዓም መጺኡ፡+ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧” በሎ። 10 በላዓም ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ ከምዚ ኢሉ መልእኽቲ ልኢኹለይ፦ 11 ‘እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጹ ህዝቢ ንገጽ* ምድሪ* ኸዲኖምዋ ኣለዉ። ሕጂ ንዓ ንዓታቶም ርገመለይ።+ ምናልባት ክዋግኦምን ክሰጕጎምን እኽእል እኸውን’” በሎ። 12 ኣምላኽ ግና ንበላዓም፡ “ምሳታቶም ኣይትኺድ። እቲ ህዝቢ እቲ ምሩቕ እዩ እሞ፡ ኣይትርገሞ” በሎ።+ 13 በላዓም ከኣ ንግሆ ተንሲኡ ነቶም መሳፍንቲ ባላቅ፡ “የሆዋ ምሳኻትኩም ከይከይድ ከልኪሉኒ እዩ እሞ፡ ናብ ምድርኹም ኪዱ” በሎም። 14 እቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ድማ ነቐሉ፡ ናብ ባላቅ ተመሊሶም ከኣ፡ “በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩ” በልዎ። 15 ባላቅ ግና ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑን ዚኸብሩን መሳፍንቲ ለኣኸ። 16 ንሳቶም ከኣ ናብ በላዓም መጺኦም፡ “ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ‘በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ገለ እኳ ኣይዕገትካ። 17 ኣዝየ ከኽብረካ፡ እትብለኒ ዅሉ ኸኣ ክገብር እየ። በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። 18 በላዓም ግና ንገላዉ ባላቅ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ባላቅ፡ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እኳ እንተ ዚህበኒ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኸይ ሓሊፈ ንእሽቶ ዀነ ወይ ዓብዪ ኽገብር ኣይክእልን እየ።+ 19 ግናኸ፡ የሆዋ መሊሱ ዚብለኒ ኽፈልጥሲ፡ ንስኻትኩም እውን ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ።”+ 20 ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ እንተ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪድ። ግናኸ፡ እቲ ኣነ ኽትብሎ ዝነግረካ ቓል ጥራይ ተዛረብ” በሎ።+ 21 በላዓም ድማ ንግሆ ተንስአ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ኸኣ ምስቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ከደ።+ 22 ንሱ ስለ ዝኸደ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ነደደ፣ መልኣኽ የሆዋ ድማ ኪጻረሮ ኣብ መገዲ ደው በለ። በላዓም ከኣ ኣድጉ ተወጢሑ ነበረ፣ ክልተ ገላዉኡ ድማ ምስኡ ነበሩ። 23 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ እተመልሐት ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ምስ ረኣየት፡ ካብቲ መገዲ ናብ ግራት ከተላግስ ፈተነት። በላዓም ግና ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኺመልሳ ኢሉ ወቕዓ። 24 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ጸባብ መገዲ ደው በለ። 25 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ምስ ረኣየት፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዐት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ምስቲ መንደቕ ኣራጸመቶ፣ በላዓም ከኣ መመሊሱ ወቕዓ። 26 መልኣኽ የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ ሓሊፉ፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም መላገሲ ኣብ ዘይብላ ጸባብ መገዲ ደው በለ። 27 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ምስ ረኣየት፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት፣ በላዓም ድማ ነደረ፡ ነታ ኣድጊ ኸኣ ብበትሩ ወቕዓ። 28 ሽዑ፡ የሆዋ ነታ ኣድጊ ኸም እትዛረብ ገበራ* እሞ፡+ ንሳ ንበላዓም፡ “ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካንስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧” በለቶ።+ 29 በላዓም ድማ፡ “ስለ ዘላገጽክለይ። ኣብ ኢደይ ሰይፊ እንተ ዚህልወንስ፡ ምቐተልኩኺ ነይረ!” ኢሉ መለሰላ። 30 እታ ኣድጊ ኸኣ ንበላዓም፡ “ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምሉእ ህይወትካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ገይረካዶ እፈልጥ እየ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣይፋልክን” በለ። 31 ሽዑ፡ የሆዋ ኣዒንቲ በላዓም ቀልዐ እሞ፡+ መልኣኽ የሆዋ እተመልሐ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ረኣየ። ብኡብኡ፡ ብገጹ ተደፊኡ ፍግም ኢሉ ሰገደ። 32 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ስለምንታይ ኢኻ ንኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፧ መገድኻ ንፍቓደይ ዚጥሕስ ስለ ዝዀነ፡ እንሆ፡ ክጻረረካ ወጺአ።+ 33 እታ ኣድጊ ድማ ርእያትንስ፡ ሰለስተ ሳዕ ካባይ ከተልግስ ፈቲና።+ ካባይ እንተ ዘይተልግስ፡ ነታ ኣድጊ ብህይወት ሓዲገ፡ ንዓኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ። 34 በላዓም ከኣ ንመልኣኽ የሆዋ፡ “ክትረኽበኒ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ ሓጢአ እየ። ሕጂ ድማ፡ እዚ ኣብ ኣዒንትኻ ኽፉእ እንተ ዀይኑ፡ ክምለስ” በሎ። 35 መልኣኽ የሆዋ ግና ንበላዓም፡ “ምስዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፣ ግናኸ፡ እቲ ኣነ ዝብለካ ቓል ጥራይ ተዛረብ” በሎ። በላዓም ከኣ ምስቶም መሳፍንቲ ባላቅ ከደ። 36 ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ኪቕበሎ ኢሉ ብኡብኡ ናብታ ኣብ ገምገም ኣርኖን፡ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ዘላ ኸተማ ሞኣብ ከደ። 37 ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ “ልኢኸዶ ኣይጸዋዕኩኻን፧ ስለምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመጻእካ፧ ኣጸቢቐ ከኽብረካ ዘይክእልዶ ይመስለካ፧” በሎ።+ 38 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “እነኹ፡ ሕጂ ናባኻ መጺአ ኣለኹ። ግናኸ፡ ገለ እኳ ኽብል ኪፍቀደለይ ድዩ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዘንበረለይ ቃል ጥራይ እየ ኽዛረብ ዝኽእል” ኢሉ መለሰሉ።+ 39 በላዓም ከኣ ምስ ባላቅ ከደ፡ ናብ ቂርያት-ሑጾት ድማ መጹ። 40 ባላቅ ከኣ ከብትን ኣባጊዕን ሰውአ እሞ፡ ገሊኡ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ መሳፍንትን ሰደደ። 41 ንግሆ፡ ባላቅ ንበላዓም ወሰዶ፡ ናብ ባሞት-በዓል ከኣ ኣደየቦ፣ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኺርእዮ ይኽእል ነበረ።+ 17 “ጕድለት ወይ ዝዀነ ኽፉእ ነገር ዘለዎ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትሰውኣሉ።+ 2 “ኣብ መንጎኻ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታትካ፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ኪገብርን ኪዳኑ ኺጥሕስን እንተ ተረኺቡ፡+ 3 ከይዱ ኸኣ ኣነ ንዘይኣዘዝክዎ+ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምሊኹ፡ ንዓታቶም ወይ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ድማ እንተ ሰጊዱሎም፡ 4 እዚ ምስ ተነግረካ ወይ ብዛዕባኡ ምስ ሰማዕካ፡ ነቲ ነገር ኣጸቢቕካ መርምሮ። እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ ሓቂ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡+ 5 ነቲ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ናብ ኣፍ ደገታት ከተማ ኣውጽኣዮ፣ እቲ ሰብኣይ ወይ እታ ሰበይቲ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቀተል።+ 6 እቲ ዚመውት ብምስክርነት* ክልተ መሰኻኽር ወይ ሰለስተ መሰኻኽር+ ይቀተል። ብምስክርነት ሓደ ምስክር ኣይቀተል።+ 7 ንምቕታሉ፡ ቅድም ኢድ እቶም መሰኻኽር ኣብ ልዕሊኡ ትኹን፣ ድሕሪኡ፡ ኢድ ኵሉ ህዝቢ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+ 8 “ኣብ ሓደ ኻብ ከተማታትካ ኽትፈርዶ ዜጸግመካ ነገር እንተ ተላዒሉ፡ እቲ ነገር ከኣ ብዛዕባ ምፍሳስ ደም፡+ ወይ ብዛዕባ ጥርዓን፡ ወይ ብዛዕባ መውቃዕቲ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ ባእሲ እንተ ዀይኑ፡ ተንሲእካ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ ኺድ።+ 9 ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልትታት እቲአን ዘሎ ፈራድን+ ኬድካ ሕተት፣ ንሳቶም ድማ ውሳነ ኺነግሩኻ እዮም።+ 10 ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ዝነገሩኻ ውሳነ ግበር። ከም ኵሉ እቲ ዝኣዘዙኻ ተጠንቂቕካ ግበር። 11 ከምቲ ዜርእዩኻ ሕግን ከምቲ ዚነግሩኻ ውሳነን ግበር።+ ካብቲ ዚነግሩኻ ውሳነ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+ 12 እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ንዜገልግል ካህን ወይ ንፈራዲ ብዘይምስማዕ ዚዳፈር ሰብ፡ ይሙት።+ ንኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።+ 13 ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ፣ መሊሱ እውን ኣይኪዳፈርን እዩ።+ 14 “ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻን ምስ ተረስተኻያን ምስ ነበርካላን፡ ‘ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ክሸይም’ እንተ ኢልካ፡+ 15 ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርየልካ ንጉስ ብርግጽ ሽም።+ ካብ መንጎ ኣሕዋትካ ንጉስ ሽም። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ኣብ ልዕሌኻ ኸይትሸይም ተኸልኪልካ ኢኻ። 16 ግናኸ፡ ንዕኡ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፡+ ወይ ኣፍራስ ኬብዝሕ ኢሉ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ፣+ ከመይሲ፡ የሆዋ፡ ‘ደጊም በዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለሱ’ ኢሉኩም እዩ። 17 ልቡ ኸየላግስ ድማ፡+ ንዕኡ ኣንስቲ ኣየብዝሕ፣ ንዕኡ ድማ ብሩርን ወርቅን እምብዛ ኣየብዝሕ።+ 18 ኣብ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቲ ምስ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንዕኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ* ይጽሓፍ።+ 19 “ፍርሃት የሆዋ ኣምላኹ ምእንቲ ኺምሃር፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዝን እዚ ስርዓታት እዝን ከኣ ምእንቲ ኺገብር፡+ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልትታት ህይወቱ ድማ የንብቦ።+ 20 በዚ ኸምዚ፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ልዕል ኣይብልን፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣየላግስን፣ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ማእከል እስራኤል ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ነዊሕ ግዜ ይጸንሕ። 30 “እዚ ዅሉ ቓላት እዚ፡ ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርኩልካ በረኸትን መርገምን ምስ መጸካ፡+ ኣብቶም የሆዋ ኣምላኽካ ዝበተነካ ዅሎም ኣህዛብ ኴንካ+ ኸኣ ምስ ዘከርካዮ፡*+ 2 ከምዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘለኹ ድማ፡ ንስኻን ደቅኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን*+ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ምስ ተመለስካን+ ድምጹ ምስ ሰማዕካን፡ 3 ሽዑ የሆዋ ኣምላኽካ ምሩኻትካ ኺመልስ፡+ ኪምሕረካ፡+ ካብቶም የሆዋ ኣምላኽካ ፋሕ ዘበለካ ዅሎም ኣህዛብ ከኣ መሊሱ ኺእክበካ እዩ።+ 4 ህዝብኻ ኽሳብ ወሰን ሰማያት እኳ እንተ ተበተኑ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻብኡ ኺእክበካን ኪመልሰካን እዩ።+ 5 የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ ኣቦታትካ እተረስተይዋ ምድሪ ኼምጽኣካ፡ ንስኻ ድማ ክትርስተያ ኢኻ፣ ካብ ኣቦታትካ ብዝያዳ ኸኣ ጽቡቕ ኪገብረልካን ኬብዝሓካን እዩ።+ 6 ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ከተፍቅሮ እሞ ብህይወት ክትነብርሲ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ልብኻን ልቢ ዘርእኻን ኬንጽህ* እዩ።+ 7 የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ፡ ነዚ ዅሉ መርገም እዚ ናብቶም ዝጸልኡኻን ዝሰጐጉኻን ጸላእትኻ ኼምጽኦ እዩ።+ 8 “ሽዑ፡ ንስኻ ተመሊስካ ድምጺ የሆዋ ኽትሰምዕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉ ኢኻ። 9 የሆዋ ኸምቲ ብኣቦታትካ ደስ ዝበሎ፡ መሊሱ ጽቡቕ ኪገብረልካ ደስ ኪብሎ እዩ እሞ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ ተግባር ኢድካን ፍረ ኸርስኻን ፍረ ማልካን ፍረ ምድርኻን ኣኺሉ ኸም ዚተርፍ ኪገብረልካ እዩ።+ 10 ሽዑስ፡ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትሰምዕ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ሕጊ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* እውን ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትምለስ ኢኻ።+ 11 “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዝሲ፡ ንዓኻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣይኰነን፡ ክትበጽሖ ዘይትኽእል እውን ኣይኰነን።*+ 12 ‘ምእንቲ ኽንሰምዖን ክንሕልዎን፡ መን ናብ ሰማያት ኪድይበልናን ኬምጽኣልናን እዩ፧’+ ከይትብልሲ፡ ኣብ ሰማያት ኣይኰነን። 13 ‘ምእንቲ ኽንሰምዖን ክንሕልዎን፡ መን ናብ ስግር ባሕሪ ተሳጊሩ ኼምጽኣልና እዩ፧’ ከይትብል እውን፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን። 14 እቲ ቓልሲ፡ ምእንቲ ኽትገብሮ፡+ ኣዝዩ ቐረባኻ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ።+ 15 “ርአ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ አንብር ኣለኹ።+ 16 ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምፍቃር፡+ ብመገድታቱ ብምምልላስ፡ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ፍርድታቱን ከኣ ብምሕላው፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካ፡ ብህይወት ክትነብርን+ ክትበዝሕን ኢኻ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣብታ ኽትርስተያ እትኸዳ ምድሪ ኺባርኸካ እዩ።+ 17 “ግናኸ፡ ልብኻ እንተ ተመሊሱ+ እሞ እንተ ዘይሰሚዕካ፡ እንተ ስሒትካ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ሰጊድካሎምን እንተ ኣገልጊልካዮምን፡+ 18 ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እነግረኩም ኣለኹ።+ ኣብታ ኽትርስተይዋ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትኣትውዋ ምድሪ ዕድሜኹም ኣይኪነውሕን እዩ። 19 ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘለኹ፡+ ኣነ ሎሚ ሰማያትን ምድርን ንምስክር ጸዊዐ ኣለኹ። ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ ህይወት ሕረ፣+ 20 እዚ ኪኸውን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡+ ድምጹ ስማዕ፡ ናብኡ እውን ልገብ።+ ንሱስ ህይወትካ እዩ፡ ብእኡ እውን ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብር ኢኻ።”+ 31 ሙሴ ድማ ከይዱ እዚ ቓላት እዚ ንዅሉ እስራኤል ተዛረበ፡ 2 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ኣነ ሎሚ ወዲ 120 ዓመት እየ።+ የሆዋ፡ ‘ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኣይክትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ እሞ፡+ ደጊም ክመርሓካ* ኣይክእልን እየ። 3 ቀቅድሜኻ ዚሳገር የሆዋ ኣምላኽካ እዩ፣ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዜጥፍኦም እውን ንሱ እዩ፣ ንስኻ ድማ ክትሰጕጎም ኢኻ።+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ መሪሑ ዜሳግረካ እያሱ እዩ።+ 4 የሆዋ ኸኣ ከምቲ ነቶም ነገስታት ኣሞራውያን ዝነበሩ ሲሆንን+ ዖግን+ ንምድሮምን ኬጥፍእ ከሎ ዝገበረ፡ ንዓታቶም እውን ከምኡ ኺገብሮም እዩ።+ 5 የሆዋ ኺስዕረልኩም እዩ፣ ንስኻትኩም ድማ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ትእዛዝ ግበርዎም።+ 6 ትብዑን በርትዑን።+ ምሳኻ ዚኸይድ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ወይ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትሸበር።+ ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኪሓድገካን እውን እዩ።”+ 7 ሙሴ ድማ ንእያሱ ጸዊዑ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣዒንቲ እስራኤል ከምዚ በሎ፦ “ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ የሆዋ ንኣቦታቶም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ እተእትዎም ንስኻ ኢኻ፡ ርስቲ ጌርካ እትህቦም እውን ንስኻ ኢኻ እሞ፡+ ትባዕን በርትዕን።+ 8 እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ዘሎ የሆዋ እዩ፡ ምሳኻ እውን ኪኸውን እዩ።+ ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኪሓድገካን እውን እዩ። ኣይትፍራህ፡ ወይ ኣይትሸበር።”+ 9 ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ሕጊ እዚ ጽሒፉ፡+ ነቶም ታቦት ኪዳን የሆዋ ዚጾሩ ኻህናት ደቂ ሌዊን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም። 10 ሙሴ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ዓመት ሕድገት፡+ ኣብ በዓል ዳስ፡+ 11 ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኺርአ ምስ መጸ፡+ ኵሉ እስራኤል ኪሰምዖስ ነዚ ሕጊ እዚ ኣንብቦ።+ 12 ምእንቲ ኺሰምዑን ንየሆዋ ኣምላኽኩም ምፍራህ ምእንቲ ኺምሃሩን ኵሉ ቃላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኺገብሩን፡ ነቶም ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን* ኣብ ከተማታትካ* ዘሎ ጓናን ኣክቦም።+ 13 እቶም እዚ ሕጊ እዚ ዘይፈልጡ ደቆም ከኣ ኪሰምዑ፡+ ኣብታ ኽትርስተይዋ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትኣትውዋ ዘለኹም ምድሪ ብህይወት ኣብ እትነብሩለን ኵለን መዓልትታት ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ምፍራህ ኪምሃሩ እዮም።”+ 14 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “እንሃ፡ እታ እትሞተላ ግዜ ቐሪባ።+ ንእያሱ ጸውዓዮ፡ ኣነ ምእንቲ ኽምዝዞ ኸኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኸቡ”*+ በሎ። ሙሴን እያሱን ድማ ከይዶም፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኽቡ። 15 የሆዋ ኸኣ ኣብቲ ድንኳን ብዓንዲ ደበና ተራእየ፣ እቲ ዓንዲ ደበና ድማ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ቈመ።+ 16 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ክትመውት* ኢኻ፣ እዞም ህዝቢ እዚኦም ድማ፡ ምስቶም ኣብታ ዚኸድዋ ምድሪ ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምንዝሩ እዮም።+ ኪሓድጉንን+ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኬፍርሱን እዮም።+ 17 ሽዑ፡ ቍጥዓይ ኣባታቶም ኪነድድ እዩ፣+ ኣነ ድማ ክሳዕ ዚብልዑ፡ ክሓድጎምን+ ገጸይ ክሓብኣሎምን እየ።+ ብዙሕ መዓትን ጭንቅን ምስ ወረዶም፡+ ‘እዚ መዓት እዚ ዚወርደና ዘሎስ፡ ኣምላኽና ኣብ ማእከልና ስለ ዘየሎ ደይኰነን፧’ ኪብሉ እዮም።+ 18 ኣነ ግና ብሰሪ እቲ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምምላሶም ዝገበርዎ ዅሉ እከይ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገጸይ ክሓብእ እየ።+ 19 “ሕጂ ኸኣ እዚ መዝሙር እዚ ንዓኻትኩም ጽሓፉ፡+ ንእስራኤላውያን ከኣ ምሃሮም።+ እዚ መዝሙር እዚ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ምስክር ምእንቲ ኪዀነኒ፡ ይመሃርዎ።*+ 20 ናብታ ንኣቦታቶም ዝመሓልኩሎም+ ጸባን መዓርን እተውሕዝ+ ምድሪ ምስ ኣእቶኽዎም እሞ፡ በሊዖም ምስ ጸገቡን ምስ በልጸጉን፡*+ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኺምለሱን ኬገልግልዎምን ንዓይ ኪንዕቁንን ኪዳነይ ኬፍርሱን እዮም።+ 21 ናብታ ዝመሓልኩላ ምድሪ ገና ኸየእቶኽዎም እኳ ዘማዕበልዎ ዝንባለ ድሮ እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡+ ብዙሕ መዓትን ጭንቅን ምስ ወረዶም፡+ እዚ መዝሙር እዚ ኻብ ኣፍ ዘርኦም ስለ ዘይርሳዕ፡ ንምስክር ኪዀኖም እዩ።” 22 ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዚ መዝሙር እዚ ጸሓፈ፡ ንእስራኤላውያን ከኣ መሃሮም። 23 ንሱ* እውን ንእያሱ ወዲ ነዌ መዘዞ፣+ “ንእስራኤላውያን ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ እተእትዎም ንስኻ ኢኻ እሞ፡+ ትባዕን በርትዕን፣+ ኣነ እውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኸኣ በሎ። 24 ሙሴ ብምሉኡ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ምስ ወድአ፡+ 25 ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን የሆዋ ዚጾሩ ሌዋውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 26 “ነዛ መጽሓፍ ሕጊ እዚኣ ወሲድኩም፡+ ኣብ ጐድኒ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኣምላኽኩም ኣንብርዋ፣+ ኣብኡ ኸኣ ንምስክር ትኹንካ። 27 ኣነስ ዕልወትካን+ ትርኻን*+ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ኣነ ገና ብህይወት ምሳኻትኩም ከለኹ እኳ ኻብ የሆዋ ኻብ ዓሎኹምሲ፡ ድሕሪ ሞተይ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሕኩም ከምኡ ዘይትገብሩ! 28 ኵሎም ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፣ እዚ ቓላት እዚ ድማ እናሰምዑ ኽዛረቦምን ሰማያትን ምድርን ንምስክር ክጽውዓሎምን እየ።+ 29 ድሕሪ ሞተይ ብርግጽ ከም እትበላሸዉን ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መገዲ ኸም እተላግሱንሲ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ክትገብሩን ብግብሪ ኣእዳውኩም ከተዀርይዎን ኢኹም እሞ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልትታት መዓት ብርግጽ ኪወርደኩም እዩ።”+ 30 ሙሴ ኸኣ ብዘሎ ጉባኤ እስራኤል እናሰምዐ፡ ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ነገሮም፦+ 18 “ሌዋውያን ካህናት፡ ብዘሎ ነገድ ሌዊ እውን፡ ምስ እስራኤል ግደ ወይ ርስቲ ኣይኪህልዎምን እዩ። ካብቲ ርስቱ ዝዀነ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኺበልዑ እዮም።+ 2 ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ከኣ ርስቲ ኣይሃልዎም። ከምቲ ንሱ እተዛረቦም፡ ርስቶም የሆዋ እዩ። 3 “ካብቲ ህዝቢ ንኻህናት ዚግባእ እዚ ይኹን፦ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ዚስውእ፡ ኢድን ምንጋጋን ከስዐን ንኻህን ይሃብ። 4 በዅሪ እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ዝቐምቀምካዮ ጸምሪ መጓሰኻን ንዕኡ ሃቦ።+ 5 የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ኵሎም ነገዳትካ ንዕኡን ንደቁን ወትሩ ብስም የሆዋ ኼገልግሉ ሓርይዎም ኣሎ።+ 6 “ሓደ ሌዋዊ ኻብ ሓንቲ ዚነብረላ ዝነበረ ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማታትካ እንተ ወጺኡ፡+ ናብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ* ድማ ኪኸይድ እንተ ደልዩ፡*+ 7 ከምቶም ኣብኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝቘሙ ኣሕዋቱ ሌዋውያን፡ ብስም የሆዋ ኣምላኹ የገልግል።+ 8 ኣብ ልዕሊ እቲ ርስቲ ኣቦታቱ ብምሻጥ ዝረኸቦ ኸኣ፡ ማዕሪኦም ምግቢ ይመቐል።+ 9 “ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ፍንፉን ተግባራት እቶም ኣህዛብ እቲኦም ክትገብር ኣይትመሃር።+ 10 ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ፡+ ወይ ዚጥንቍል፡+ ወይ ስሒር ዚገብር፡+ ወይ ፋል ዚደሊ፡+ ወይ ኣስማተኛ፡+ 11 ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡+ ወይ ጠንቋሊ፡+ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ+ ኣባኻ ኣይረኸብ። 12 እዚ ነገር እዚ ዚገብር ዘበለ ዅሉስ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ ብሰሪ እዚ ፍንፉን ተግባራት እዚ ድማ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ይሰጕጎም ኣሎ። 13 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ መንቅብ ዘይብልካ ኹን።+ 14 “እቶም እተልቅቖም ዘለኻ ኣህዛብሲ ነቶም ስሒር ዚገብሩን+ ዚጥንቍሉን+ ይሰምዕዎም ነበሩ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ግና ከምዚ ዝበለ ኽትገብር ኣይፈቐደልካን። 15 የሆዋ ኣምላኽካ ኸማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትካ ኼተንስኣልካ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ።+ 16 እዚ ኸም ምላሽ እቲ ኣብ ሆሬብ ብመዓልቲ ኣኼባ፡*+ ‘ከይመውትሲ፡ ደጊም ድምጺ የሆዋ ኣምላኸይ ኣይስማዕ፡ እዚ ዓብዪ ሓዊ እዚ እውን ኣይርአ’ ኢልካ ኻብ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሓተትካዮ እዩ።+ 17 ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘እቲ እተዛረብዎ ጽቡቕ እዩ። 18 ከማኻ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፣+ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡+ ንሱ ድማ ዝኣዘዝክዎ ዅሉ ኺዛረቦም እዩ።+ 19 ነቲ ንሱ ብስመይ ዚዛረቦ ቓለይ ዘይሰምዕ ዘበለ ሰብ፡ ኣብ ቅድመይ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።+ 20 “‘ዝዀነ ነብዪ ኺዛረቦ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ብስመይ ደፊሩ እንተ ተዛሪቡ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ እንተ ተዛሪቡ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙት።+ 21 ብልብኻ ግና፡ “ነቲ ቓል፡ የሆዋ ኸም ዘይተዛረቦ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧” ትብል ትኸውን። 22 እቲ ነብዪ ብስም የሆዋ ምስ ተዛረበ፡ እቲ ቓል እንተ ዘይኰይኑ ወይ እንተ ዘይተፈጺሙ፡ የሆዋ ነቲ ቓል እቲ ኣይተዛረቦን። እቲ ነብዪ እዩ ብድፍረት ተዛሪብዎ፡ ኣይትፍርሃዮ።’ 23 “ፍረ ነፍሱ ብምጭፍላቕ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ።+ 2 “ድቓላ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ።+ ካብ ዘርኡ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ። 3 “ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ።+ ካብ ዘርኦም ክሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ፡ ንሓዋሩ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ። 4 እዚ ድማ ካብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸለኹም፡ እንጌራን ማይን ሒዞም መጺኦም ስለ ዘይረድኡኹም፡+ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ከኣ ኪረግመካ ኢሎም ካብ ጴጦር ናይ መሶጶታምያ ስለ ዝቘጸርዎ እዩ።+ 5 የሆዋ ኣምላኽካ ግና ንበላዓም ኪሰምዖ ኣይደለየን።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘፍቀረካ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ቐየረልካ።+ 6 ኵሉ መዓልትታትካ ንሓዋሩ ሰላሞም ወይ ጽቡቖም ኣይትድለ።+ 7 “ንኤዶማዊ፡ ሓውካ እዩ እሞ፡ ኣይትጽልኣዮ።+ “ንግብጻዊ፡ ኣብ ሃገሩ ጓና ኔርካ ኢኻ እሞ፡ ኣይትጽልኣዮ።+ 8 እቶም ካብኦም እተወልዱ ሳልሳይ ወለዶ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኺኣትዉ ይኽእሉ እዮም። 9 “ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ እትሰፍር፡ ካብ ክፉእ* ዘበለ ርሓቕ።+ 10 ሓደ ሰብኣይ ለይቲ ብዝወጾ ፈሳሲ እንተ ረኺሱ፡+ ካብ ሰፈር ናብ ወጻኢ ይኺድ፡ ናብ ሰፈር እውን ተመሊሱ ኣይእቶ። 11 ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ፡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት+ ከኣ ናብ ሰፈር ኪምለስ ይኽእል እዩ። 12 ኣብ ወጻኢ ሰፈር፡ ደገ እትወጸሉ ብሑት ቦታ* ይሃሉኻ። 13 ምስ መሳርሒኻ ድማ ሓንካሾ ሓዝ። ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጕድጓድ ኵዓት፡ ነቲ ቐልቀልካ ኸኣ መሊስካ ኽደኖ። 14 የሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኼናግፈካን ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህበካን፡ ኣብ ውሽጢ ሰፈርካ+ ኺመላለስ እዩ፣ ገለ ዜሕፍር ነገር ከይርእየልካ እሞ፡ ምሳኻ ኻብ ምኻድ ከይምለስ፡ ሰፈርካ ቕዱስ ይኹን።+ 15 “ካብ ጐይታኡ ሃዲሙ ንዝመጸካ ባርያ፡ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ። 16 ኣብ መንጎኻ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታትካ ኣብ ቃሕ ዝበለቶ ዝሓረያ ቦታ ይቀመጥ፣ ኣይትግፍዓዮ።+ 17 “ካብ ኣዋልድ እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይትኹን፣+ ካብ ኣወዳት እስራኤል እውን ሓደ እኳ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይኹን።+ 18 ክልቲኦም ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ንኣንስተይቲ ኣመንዝራ ዚኽፈል ወይ ንተባዕታይ ኣመንዝራ* ዚኽፈል ዋጋ፡* መብጽዓ ንምፍጻም ናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ኣይተእቱ። 19 “ወለድ ገንዘብ ኰነ፡ ወለድ እኽሊ ዀነ፡ ወለድ ኪኽፈለሉ ናይ ዚኽእል ዝዀነ ነገር ወለድ ኰነ፡ ንሓውካ ወለድ ኣይተኽፍል።+ 20 ንጓና ወለድ ከተኽፍል ትኽእል ኢኻ፣+ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብታ ኽትርስተያ እትኸዳ ዘለኻ ምድሪ ዅሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸልካ+ ግና፡ ንሓውካ ወለድ ኣይተኽፍል።+ 21 “ንየሆዋ ኣምላኽካ መብጽዓ እንተ ተመባጺዕካ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ ብርግጽ ካባኻ ኺደልዮ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካስ፡+ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።+ 22 እንተ ዘይተመባጺዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን።+ 23 ቃላት ከናፍርካ ሓሉ፣+ ነቲ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ኣፍካ ንየሆዋ ኣምላኽካ እተመባጽዖ እውን ግበሮ።+ 24 “ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ ኣቲኻ፡ ክሳዕ እትጸግብ* ዚኣኽለካ ወይኒ ብላዕ፣ ናብ መትሓዚኻ ግና ገለ እኳ ኣይትግበር።+ 25 “ናብ እኽሊ ዘለዎ ግራት ብጻይካ እንተ ኣቲኻ፡ ሰዊት ብኢድካ ኽትቅንጥብ ትኽእል ኢኻ፣ ብማዕጺድ ግና እኽሊ ብጻይካ ኣይትዕጸድ።+ 34 ሙሴ ድማ ካብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ+ ርእሲ ጲስጋ ደየበ።+ የሆዋ ኸኣ ኵላ እታ ምድሪ፡ ካብ ጊልዓድ ክሳብ ዳን ኣርኣዮ፣+ 2 ኵላ ንፍታሌምን ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፡ ኵላ ምድሪ ይሁዳ ኽሳብ ምዕራባዊ ባሕሪ፡*+ 3 ነጌብን+ እቲ ኸባብን፡+ ጐልጐል ስንጭሮ ያሪኮ፡ ከተማ ኣእዋም ተምሪ፡ ክሳብ ጾዓር+ ኣርኣዮ። 4 የሆዋ ድማ፡ “እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ‘ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡+ እዚኣ እያ። ብኣዒንትኻ ኣርኣኹኻ፡ ናብኣ ግና ኣይክትሳገርን ኢኻ” በሎ።+ 5 ድሕሪኡ፡ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ኣብኣ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ።+ 6 ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ስንጭሮ ድማ ቀበሮ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ መቓብሩ ኣበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን።+ 7 ሙሴ ኺመውት ከሎ ወዲ 120 ዓመት ነበረ።+ ኣዒንቱ ኣይሓመቓን፡ ሓይሉ እውን ኣይደኸመን ነበረ። 8 ህዝቢ እስራኤል ድማ ንሙሴ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ 30 መዓልቲ በኸዩሉ።+ እተን ንሙሴ ዝበኸዩለን መዓልትታት ሓዘኖም ከኣ ተወድኣ። 9 ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፡ መንፈስ ጥበብ መልኦ፣+ እስራኤላውያን ከኣ ሰምዕዎ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ እውን ገበሩ።+ 10 ግናኸ፡ ከም ሙሴ ንየሆዋ ገጽ ንገጽ ዚፈልጦ+ ነብዪ ኣብ እስራኤል ዳግም ኣይተንስአን።+ 11 ንሱ ነቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵሎም ገላዉኡን ኣብ ኵላ ምድሩን ኪገብር ዝለኣኾ ዅሉ ትእምርትታትን ተኣምራትን ገበረ፣+ 12 ነዚ እውን ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ብሓያል ኢድን ብዜፍርህ ሓይልን ገበሮ።+ 19 “ነቶም የሆዋ ኣምላኽካ ምድሮም ዚህበካ ኣህዛብ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ምስ ኣጥፍኦም እሞ፡ ንስኻ ምስ ኣልቀቕካዮምን ኣብ ከተማታቶምን ኣባይቶምን ምስ ተቐመጥካን፡+ 2 ኣብ ማእከል እታ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ ሰለስተ ኸተማ ፍለ።+ 3 ነታ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ ነታ ሃገር ኣብ ሰለስተ ምቐላ፣ ሰብ ዝቐተለ ዘበለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት ምእንቲ ኺሃድም ድማ መገዲ ኣዳሉ። 4 “ናብኡ ዚሃድም ቀታሊ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር፡ ከምዚ ይገበር፦ ብዘይፍላጥ ንብጻዩ እንተ ወቒዕዎ እሞ፡ ኣቐዲሙ ጽልኢ እንተ ዘይነይርዎ፡+ 5 ንኣብነት፡ ዕንጨይቲ ኺኣሪ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፊሩ፡ ብፋስ ኦም ኪቘርጽ ኢዱ ምስ ኣልዓለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ተነጺሉ ነቲ ብጻዩ እንተ ወቒዕዎ እሞ ንሱ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ብህይወት ኪነብርሲ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ይህደም።+ 6 እንተ ዘይኰነስ፡ እታ ኸተማ ስለ ዝረሓቐት፡ እቲ ፈዳይ ደም+ ብቝጥዓ ነዲሩ* ደድሕሪ እቲ ሰብ ዝቐተለ ስዒቡ፡ ኣርኪቡ ኪቐትሎ እዩ። ግናኸ፡ ኣቐዲሙ ንብጻዩ ጽልኢ ስለ ዘይነበሮ፡ ኪመውት ኣይግብኦን እዩ።+ 7 ስለዚ እየ፡ ‘ሰለስተ ኸተማ ፍለ’ ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ። 8 “የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ሃገርካ ምስ ኣግፍሓልካ፡+ ኵላ እታ ንኣቦታትካ ኺህቦም ዘተስፈዎም ምድሪ ድማ ምስ ሃበካ፡+ 9 —ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸተፍቅሮን ወትሩ ብመገዱ ኽትመላለስን ከኣ፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ብተኣማንነት እንተ ሓሊኻ፡—ነዘን ሰለስተ እዚአን፡ ካልእ ሰለስተ ኸተማ ወስኸለን።+ 10 በዚ ኸምዚ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ኣይፈስስን፡+ ዕዳ ደም ድማ ኣይህልወካን።+ 11 “ግናኸ፡ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸሊእዎ፡+ ኣድብዩ ጸኒሑ ኸኣ ክሳዕ ዚመውት እንተ ወቒዕዎ፡* ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ከኣ እንተ ሃዲሙ፡ 12 ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ፡ ይሙት ከኣ።+ 13 ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ነቲ ዕዳ ንጹህ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቆ+ እምበር፡ ኣይትደንግጸሉ።* 14 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ ርስትኻ ምስ ተቐበልካ፡ ምልክት ዶብ ብጻይካ ኻብቲ ኣቦታትካ ዝደወብዎ ዶብ ኣይተግዕዝ።+ 15 “ሰብ ብዛዕባ ዝገበሮ ዝዀነ ስሕተት ወይ ዝዀነ በደል፡ ብሓደ ምስክር ገበነኛ ኪኸውን* ኣይክእልን እዩ።+ ነገር ብምስክርነት* ክልተ መሰኻኽር ወይ ብምስክርነት ሰለስተ መሰኻኽር ይጽናዕ።+ 16 ተንኰለኛ ምስክር ብዛዕባ ሓደ ሰብ ብገለ ኣበሳ እንተ መስኪሩን እንተ ኸሲስዎን፡+ 17 እቶም ባእሲ ዘለዎም ክልተ ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ እቶም በተን መዓልትታት እቲአን ዘለዉ ፈራዶን ይቑሙ።+ 18 እቶም ፈራዶ ድማ ኣጸቢቖም ይመርምሩ፣+ እቲ ዝመስከረ ሰብ ከኣ ሓሳዊ ምስክር እንተ ዀይኑ፡ ንሓዉ ኸኣ ብሓሶት እንተ ኸሲስዎ፡ 19 ከምቲ ንሓዉ ኺገብሮ ዝሓሰበ፡ ግበርዎ፣+ ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+ 20 እቶም ዝተረፉ ድማ ኪሰምዑን ኪፈርሁን እዮም፣ ደጊም ከኣ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣብ መንጎኻ ኣይኪገብሩን እዮም።+ 21 ኣይትደንግጸሉ፦*+ ኣብ ክንዲ ህይወት፡* ህይወት፣* ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፣ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፣ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ ይኹን።+ 20 “ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ እንተ ኼድካ፡ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዚበዝሕ ሰራዊትን ድማ እንተ ርኢኻ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣካ የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም።+ 2 ናብ ውግእ ክትከይድ ምስ ቀረብካ፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ፣+ 3 ከምዚ ድማ ይበሎም፦ ‘ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኣለኹም። ልብኹም ኣይጃጁ። ብኣታቶም ኣይትፍርሁ፡ ወይ ኣይትሸበሩ፡ ወይ ራዕራዕ ኣይትበሉ፣ 4 የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ምስ ጸላእትኹም ኪዋግኣልኩምን ኬድሕነኩምን ምሳኻትኩም ይኸይድ ኣሎ።’+ 5 “እቶም ኣሕሉቕ እውን ንህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ይዛረቡ፦ ‘ሓድሽ ቤት ዝሃነጸ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከየመርቖስ፡ ናብ ቤቱ ይመለስ። 6 ወይኒ ዝተኸለ እሞ ዘይተጠቕመሉ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይጥቀመሉስ፡ ይኺድ፡ ናብ ቤቱ እውን ይመለስ። 7 ሰበይቲ እተሓጽየ እሞ ዘይተመርዓዋ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይምርዓዋስ፡ ይኺድ፡ ናብ ቤቱ እውን ይመለስ።’+ 8 እቶም ኣሕሉቕ ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ ‘ፈራህን ጃጃውን መን ኣሎ፧+ ከምቲ ልቡ፡ ልቢ ኣሕዋቱ እውን ምእንቲ ኸየምክኽሲ፡ ናብ ቤቱ ይመለስ’ እውን ይበልዎም።+ 9 እቶም ኣሕሉቕ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፡ ነቲ ህዝቢ ዚመርሑ ኣሕሉቕ ሰራዊት ይሽሙ። 10 “ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግኣ ምስ ቀረብካ፡ ጻውዒት ሰላም ኣቕርበላ።+ 11 ሰላማዊ ምላሽ እንተ ሂባትካ እሞ ኣፍ ደገታታ እንተ ኸፊታትልካ፡ ኣብኣ እተረኽበ ዅሉ ህዝቢ ንዓኻ ብግዲ ኺሽቅልን ኪግዝኣካን እዩ።+ 12 ግናኸ፡ ምሳኻ ሰላም ምግባር እንተ ኣብያ፡ ኣብ ክንዳኡስ ምሳኻ እንተ ተዋጊኣ፡ ክበባ። 13 የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ብርግጽ ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፣ ኣብኣ ንዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ከኣ ብሰይፊ ቕተል። 14 ኣንስትን ቈልዑን ማልን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉን፡ ማለት ኵሉ ምርኮኣ ግና፡ ንዓኻ ዝመቶ፣+ እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሃበካ ምርኮ ጸላእትኻ ኸኣ ክትበልዕ ኢኻ።+ 15 “ነተን ካብ ከተማታት እዞም ኣብ ጥቓኻ ዘለዉ ኣህዛብ ዘይኰና ኻባኻ ኣዝየን ዝረሓቓ ዅለን ከተማታት ከምኡ ግበረን። 16 ኣብተን የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ኸተማታት እዞም ህዝብታት እዚኦም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደግ።+ 17 ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን+ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም፣ 18 ከምቲ ንኣማልኽቶም ዚገብሩሎም ኵሉ ፍንፉን ተግባራት ምስዓብ ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ምእንቲ ኸይትብድሉስ፡+ ከምኡ ግበር። 19 “ንሓንቲ ኸተማ ምእንቲ ኽትሕዛ ነዊሕ መዓልትታት ከቢብካ እንተ ተዋጊእካያ፡ ኣእዋማ ብፋስ ኣይተጥፍእ። ካብኡ ብላዕ እምበር፡ ኣይትቝረጾ።+ ንኦም መሮርሲ ኸም ንሰብ ጌርካዶ ኽትከብቦ ኢኻ፧ 20 ከም ዘይትብላዕ ዝፈለጥካያ ኦም ጥራይ ኣጥፍእ። ንዓኣ ቘሪጽካ፡ ነታ እትዋግኣካ ዘላ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ መኽበቢ ስርሓላ። 3 “ተመሊስና ድማ ብመገዲ ባሳን ደየብና። ዖግ ንጉስ ባሳን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድረይ ብውግእ ኪቀባበለና ወጸ።+ 2 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ንዕኡን ንዅሉ ህዝቡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ ኸኣ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ’ በለኒ። 3 የሆዋ ኣምላኽና ድማ ንዖግ ንጉስ ባሳንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሃበና፣ ካብ ህዝቡ ዋላ ሓደ ኽሳዕ ዘይተርፎ ኸኣ ወቓዕናዮ። 4 ንዅለን ከተማታቱ ድማ ሓዝናየን። 60 ኸተማ፡ ኵሉ ዞባ ኣርጎብ፡ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን ሓዝና፣ ኰታስ ካባታቶም ዘይወሰድናያ ኸተማ ኣይነበረትን።+ 5 ኵለን እዘን ከተማታት እዚአን፡ ብነዊሕ መካበብያን መዓጹን ተገዳማትን እተዓርዳ ነበራ፣ ብዘይካአን ድማ ብዙሓት ናይ ገጠር ከተማታት ነበራ። 6 ግናኸ፡ ከምቲ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦን ዝገበርናዮ፡ ኣጥፋእናየን፣+ ኵለን ከተማታት፡ እንተላይ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣጥፋእና።+ 7 ኵለን ማልን ምርኮ እተን ከተማታትን ከኣ ንዓና ወሰድናዮ። 8 “በታ ግዜ እቲኣ፡ ንምድሪ እቶም ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ኣሞራውያን ነገስታት፡+ ካብ ስንጭሮ* ኣርኖን ክሳብ ከረን ሄርሞን ወሰድናያ።+ 9 (ሲዶናውያን ነቲ ኸረን እቲ፡ ሲርዮን ይብልዎ ነበሩ፣ ኣሞራውያን ከኣ ሰኒር ይብልዎ ነበሩ።) 10 ኵለን ከተማታት ከበሳን ኵላ ጊልዓድን ኵላ ባሳንን ክሳብ ሳልካን ኤድረይን፡+ እተን ኣብ ባሳን ዘለዋ ኸተማታት መንግስቲ ዖግ ወሰድና። 11 ዖግ ንጉስ ባሳንሲ ኻብ ረፋይም በይኑ ተሪፉ ነበረ። ዓራቱ* ዓራት ሓጺን* ነበረ፣ ኣብ ራባ ናይ ዓሞናውያን ድማ ኣሎ። ንውሓቱ ኸኣ ብስሩዕ እመት ትሽዓተ እመት፡* ግፍሑ ድማ ኣርባዕተ እመት እዩ። 12 በታ ግዜ እቲኣ፡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ተረስተናያ፣ ካብታ ኣብ ጥቓ ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር+ ኣትሒዝና ፍርቂ ኣኽራን ዞባ ጊልዓድን ነተን ከተማታተንን ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ሃብክዎም።+ 13 ዝተረፈ ጊልዓድን ኵላ ባሳን መንግስቲ ዖግን ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ሃብክዎ።+ ኵሉ ናይ ባሳን ዘበለ ዞባ ኣርጎብ፡ ምድሪ ረፋይም ይብሃል ነበረ። 14 “ያኢር+ ወዲ ምናሴ ንዅሉ ዞባ ኣርጎብ+ ክሳብ ዶብ ጌሹራውያንን ማዓካታውያንን+ ወሰደ፣ ነተን ዓድታት ባሳን ከኣ ብስሙ፡ ክሳዕ ሎሚ ሓዎት-ያኢር*+ ኢሉ ሰምይወን ኣሎ። 15 ንማኪር ድማ ጊልዓድ ሃብክዎ።+ 16 ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ከኣ፡+ ካብ ጊልዓድ ክሳብ ስንጭሮ* ኣርኖን፡ ማእከል እቲ ስንጭሮ ኸም ዶብ ኰይኑ፡ ክሳብ እቲ ዶብ ዓሞናውያን ዝዀነ ስንጭሮ ያቦቅ ሃብክዎም፣ 17 ከምኡ ድማ ዓራባን ዮርዳኖስን ዶብን፡ ካብ ኪነረት ክሳብ ባሕሪ ዓራባ፡ ማለት ባሕሪ ጨው፡* ናብ ሸነኽ ምብራቕ ክሳብ እግሪ ቝልቍለት ጲስጋ ሃብክዎም።+ 18 “ሽዑ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ሃብኩኹም፦ ‘የሆዋ ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትርስተይዋ ሂቡኩም ኣሎ። ኵሎም ሓያላትኩም ኣጽዋር ኣልዒሎም፡ ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ይሳገሩ።+ 19 ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ማልኩምን ጥራይ፡ (ብዙሓት ማል ከም ዘለዋኹም ድማ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፡) ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ፣ 20 የሆዋ ኸምቲ ንዓኻትኩም ዝገበረልኩም፡ ንኣሕዋትኩም ከኣ ክሳዕ ዜዕርፎም፡ ንሳቶም እውን ነታ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ ጽንሑ። ድሕሪኡ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሃብኩኹም ርስቱ ትምለሱ።’+ 21 “በታ ግዜ እቲኣ፡ ንእያሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ሃብክዎ፦+ ‘የሆዋ ኣምላኽኩም ነዞም ክልተ ነገስታት እዚኦም ዝገበሮም ብኣዒንትኻ ርኢኻ ኢኻ። ንዅለን እተን ናብአን እትሳገር ዘለኻ መንግስትታት እውን፡ የሆዋ ኸምኡ ኺገብር እዩ።+ 22 እቲ ዚዋግኣልኩም፡ የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም።’+ 23 “በታ ግዜ እቲኣ፡ ንየሆዋ ኸምዚ ኢለ ለመንክዎ፦ 24 ‘ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንጊልያኻ ዕቤትካን ሓያል ቅልጽምካን ከተርእየኒ ጀሚርካ ኣለኻ፣+ ኣብ ሰማያት ኰነ ኣብ ምድርስ፡ ከም ናትካ ዝበለ ሓያል ግብሪ ኺገብር ዚኽእል ኣየናይ ኣምላኽ እዩ፧+ 25 ነታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ነቲ ጽቡቕ ኣኽራንን ንሊባኖስን ክርእስ፡ በጃኻ ኣሕልፈኒ።’+ 26 የሆዋ ግና ብሰርኹም ገና ተቘጢዑኒ ነበረ እሞ፡+ ኣይሰምዓንን። የግዳስ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘ይኣኽለካ! ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ። 27 ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኣይክትሳገሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደዪብካ፡+ ናብ ምዕራብን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ኣቢልካ ብኣዒንትኻ ነታ ምድሪ ርኣያ።+ 28 ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ዚሳገርን+ ነታ እትርእያ ምድሪ ዜውርሶምን እያሱ+ እዩ እሞ፡ ንዕኡ መዝዞ፡ ኣተባብዓዮ፡ ኣበርትዓዮ እውን።’ 29 ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ስንጭሮ ተቐሚጥና ኸለና፡ እዚ ዅሉ ዀነ።+ 24 “ሓደ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ እንተ ተመርዕዩ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ ግና ባህ እንተ ዘይኢላቶ፡ ጽሑፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ+ ኣብ ኢዳ ይሃባ፡ ካብ ቤቱ ኸኣ ይስደዳ።+ 2 ካብ ቤቱ ምስ ወጸት፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ክትከውን ትኽእል እያ።+ 3 እቲ ኻልኣይ ሰብኣይ እውን እንተ ጸሊእዋ፡* ጽሑፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ድማ ኣብ ኢዳ እንተ ሂብዋ እሞ ኻብ ቤቱ እንተ ሰዲድዋ፡ ወይ እቲ እተመርዓዋ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞይቱ፡ 4 እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ምስ ረኸሰት፡ ሰበይቱ ኽትከውን መሊሱ ኺወስዳ ኣይፍቀደሉን እዩ፣ እዝስ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ። ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽእ። 5 “ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ተመርዓወ፡ ኣብ ሰራዊት ኣየገልግል፡ ወይ ዝዀነ ኻልእ ዚዕየ ግቡእ ኣይውሃቦ። ሓደ ዓመት ኣብ ቤቱ ናጻ ይኹን፡ ንሰበይቱ ድማ የሐጕሳ።+ 6 “ሓደ እኳ ኸም ትሕጃ ገይሩ መጥሓን ወይ መዲድ ኣይውሰድ፣+ እዝስ መነባብሮ ህይወት* ከም ትሕጃ ጌርካ ምውሳድ እዩ። 7 “ሓደ ሰብ ንሓደ* ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ እስራኤላውያን ጨውዩ እንተ ገፊዕዎን እንተ ሸይጥዎን፡+ እቲ ጨዋዪ ይሙት።+ ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+ 8 “ሕማም ደዌ* እንተ ተረኺቡ፡ ከም ኵሉ እቲ ሌዋውያን ካህናት ዚምህሩኹም ተጠንቂቕኩም ግበሩ።+ ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎም ተጠንቂቕኩም ግበሩ። 9 ካብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸለኹም፡ የሆዋ ኣምላኽካ ንሚርያም ዝገበራ ዘክር።+ 10 “ንብጻይካ ገለ ልቓሕ እንተ ኣለቂሕካዮ፡+ ትሕጃ ኪኸውን ዚህበካ ነገር ክትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶ። 11 ኣብ ግዳም ደው በል፡ እቲ ዘለቃሕካዮ ሰብ ድማ ነቲ ትሕጃ ናብ ግዳም ናባኻ የውጽኣዮ። 12 እቲ ሰብ ሽጉር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ነቲ ትሕጃ ምሳኻ ኣይተሕድሮ።+ 13 ነቲ ትሕጃ ጸሓይ ምስ ዓረበት ምለሰሉ፣ ንሱ ድማ ምስ ክዳኑ ኺድቅስን+ ኪምርቐካን እዩ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ እውን ጽድቂ ኪዀነልካ እዩ። 14 “ንሽጉር ወይ ንድኻ ወዓላይ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ ዀነ፡ ወይ ኣብ ምድርኻ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ዘሎ ጓና፡ ኣይትዓምጾ።+ 15 ሽጉር ስለ ዝዀነን ህይወቱ* ኣብኡ ስለ ዚምርኰስን፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ጸሓይ ከይዓረበት ውዕለቱ ሃቦ።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ የሆዋ ኺጠርዓልካ እዩ፡ ሓጢኣት ድማ ኪዀነካ እዩ።+ 16 “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይቀተሉ፣ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ።+ ሰብ ብሓጢኣቱ ጥራይ ይቀተል።+ 17 “ንጓና ወይ ንዘኽታም* ፍርዲ ኣይተቕንን፣+ ክዳን መበለት ከኣ ትሕጃ ጌርካ ኣይትውሰድ።+ 18 ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፣ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ካብኣ ተበጀወካ።+ ስለዚ እየ እዚ ኽትገብር ዝእዝዘካ ዘለኹ። 19 “ዓጺድካ ኻብ ግራትካ ኽትዓጽድ ከለኻ፡ ኣብ ግራትካ እንዳእቲ እንተ ረሲዕካ፡ ክትወስዶ ኣይትመለስ። የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እቲ እትገብሮ ምእንቲ ኺባርኸካ፡+ ንጓናን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን።+ 20 “ኣውልዕካ ምስ እተርግፍ፡ መሊስካ ነቲ ጨናፍር ከምኡ ኣይትግበር። እቲ ዝተረፈስ ንጓናን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን።+ 21 “ካብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ፍረ ወይኒ ምስ እትእክብ፡ ነቲ ዝተረፈ ኽትእክቦ ኣይትመለስ። ንሱስ ንጓናን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን። 22 ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር። ስለዚ እየ እዚ ኽትገብር ዝእዝዘካ ዘለኹ። 32 “ኦ ሰማያት፡ ጽን በሉ እሞ፡ ክዛረብ፣ምድሪ ኸኣ ቃላት ኣፈይ ትስማዕ። 2 ትምህርተይ ከም ዝናም ኪዘንም፡ቃላተይ ድማ ከም ኣውሊ ዛዕዛዕ ኪብል እዩ፣ከም ጥሚቕ ኣብ ሳዕሪ፡ከም ብርቱዕ ካፋ ኣብ ኣትክልቲ። 3 ኣነስ ስም የሆዋ ኽነግር እየ።+ ብዛዕባ ዕቤት ኣምላኽና ንገሩ!+ 4 ኵሉ መገድታቱ ፍትሒ እዩ እሞ፡+እቲ ኸውሒ፡ ተግባሩ ፍጹም እዩ።+ ከቶ ዘይዕምጽ+ ኣምላኽ ተኣማንነት፡+ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ።+ 5 ንሳቶም ባዕላቶም እዮም ተበላሽዮም።+ ደቁ ኣይኰኑን፡ እቲ ጕድለት ናታቶም እዩ።+ ቄናንን ጠዋይን ወለዶ እዮም!+ 6 ኣታ ዓሻን ዘይጥበበኛን ህዝቢ፡+ንየሆዋስ ከምዚ ዲኻ እትገብሮ፧+ እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻ፡ዝገበረካን ዘጽንዓካን ንሱ ደይኰነን፧+ 7 ነተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክረን፣ዓመታት ዝሓለፉ ወለዶታት ኣስተብህሉ። ንኣቦኻ ሕተቶ፡ ንሱ ድማ ኪነግረካ እዩ፣+ንዓበይትኻ እውን፡ ንሳቶም ከኣ ኪሕብሩኻ እዮም። 8 እቲ ልዑል ንኣህዛብ ርስቶም ምስ ሃቦም፡+ንደቂ ኣዳም* ምስ ፈላለዮም፡+ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ኣብ ግምት ኣእትዩ+ዶብ ህዝብታት መደበ።+ 9 ህዝቢ የሆዋስ ግዲኡ እዩ፣+ያእቆብ ርስቱ እዩ።+ 10 ደሃይ ኣብ ዚስምዓሉ ባዶ ምድረ በዳ፡+ኣብ በረኻ ምድሪ ረኸቦ።+ ኬዕቍቦ ኸበቦን ተኸናኸኖን፡+ከም መርዓት ዓይኑ ኸኣ ሓለዎ።+ 11 ንስሪ ንሰፈሩ ኸም ዜለዓዕል፡ኣብ ልዕሊ ጨቓዊቱ ኸም ዚዝምቢ፡ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፡ኣብ መንገብገቡ ድማ ጾሮም፣+ 12 የሆዋ በይኑ መርሖ፡*+ ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረን።+ 13 ኣብ በረኽቲ ምድሪ ኣወጥሖ፡+እቶት ግራት ከኣ በልዐ።+ ካብ ከውሒ መዓር መገቦ፡ካብ ከውሒ ኣዝሒት ድማ ዘይቲ፡ 14 ጠስሚ ኸብትን ጸባ ጤለ በጊዕንምስ ሕሩይ* በጊዕ፡ደዓውል ባሳንን ድቤላታትንምስ ብሉጽ* ስርናይ መገቦ፣+ካብ ደም* ፍረ ወይኒ ኸኣ፡ ወይኒ ሰተኻ። 15 የሹሩን* ምስ ሃጠረ፡ ብዕልወት ተናድሐ። ሰባሕካ፡ ረጐድካ፡ ከረሽካ።+ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ድማ ሓደጎ፡+ንኸውሒ ድሕነቱ ኸኣ ነዓቖ። 16 ብጓኖት ኣማልኽቲ ኣነደርዎ፣+ብፍንፉን ነገራት ኣዀረይዎ።+ 17 ንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፡ኣብ ቀረባ ንዝመጹ ሓደስቲ፡ኣቦታትኩም ንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፡ንኣጋንንቲ ይስውኡ ነበሩ፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን።+ 18 ነቲ ኣቦ ዝዀነካ ኸውሒ ረሳዕካ፡+ነቲ ዝወለደካ ኣምላኽ ኣይዘከርካን።+ 19 ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘዀረይዎ፡የሆዋ ምስ ረኣዮ፡ ነዓቖ።+ 20 በለ ድማ፦ ‘ቄናን ወለዶ፡+ተኣማንነት ዘይብሎም ደቂ እዮም እሞ፡+ገጸይ ክሓብኣሎም፡+መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ። 21 ኣምላኽ ብዘይኰነ ኣነዲሮምኒ፣*+ብኸንቱ ጣኦታት ኣዀርዮምኒ።+ ኣነ ኸኣ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኦም፡+ብዓሻ ህዝቢ ድማ ከዀርዮም እየ።+ 22 ቍጥዓይሲ ሓዊ ወሊዑ፡+ክሳብ መዓሙቝ መቓብር* ኬንድድ፡+ምድርን ፍሪኣን ኪበልዕ፡መሰረታት ኣኽራን ኬባርዕ እዩ። 23 መዓቶም ክውስኽ፡ፍላጻታተይ ኣብ ልዕሊኦም ክጥቀም እየ። 24 ብጥሜት ኪውድኡ፡+ብረስንን ብመሪር ጥፍኣትን ኪብልዑ እዮም።+ ኣስናን ኣራዊትንሕንዚ ለመምቲ ምድርን ክሰድደሎም እየ።+ 25 ኣብ ግዳም ሰይፊ፡ ውሉዳቶም ኪስእኑ እዮም፣+ኣብ ውሽጢ ድማ፡ንጐበዝን ንድንግልን፡+ንሕጻን ምስ ሸያብ ሽበራ ኣሎ።+ 26 “ፋሕ ከብሎም፡መዘከርታኦም ካብ መንጎ ሰብ ኬጥፍእ እየ” ምበልኩ። 27 ግናኸ፡ እቶም ተጻረርቲ ብጌጋ ተርጒሞም፡+“ብሓይልና ተዓዊትና፡+ነዚ ዅሉ ዝገበሮ የሆዋ ኣይኰነን” ከይብሉ፡ምላሽ ጸላኢ ኣፍሪሁኒ።+ 28 ንሳቶምሲ ዓያሹ* ህዝቢ እዮም፡ኣእምሮ ኸኣ የብሎምን።+ 29 ኣየ ጥበበኛታት እንተ ዚዀኑ!+ ነዚ መስተንተኑሉ።+ ብዛዕባ መወዳእታኦም ምሓሰቡ።+ "30 እቲ ኸውሖም እንተ ዘይሸጦም፡+የሆዋ ኸኣ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምሲ፡ከመይ ገይሩ ሓደ ን1,000 ይሰጕጎም፧ ክልተስ ን10,000 የህድምዎም፧+ " 31 (ከውሖምሲ ኸም ከውሕና ኣይኰነን፡+ጸላእትና እኳ ነዚ ተረዲኦምዎ።)+ 32 ተኽሊ ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶም፡ካብ ዛላታት ጎሞራ ድማ እዩ።+ ፍረ ወይኖም ካብ መርዛም ወይኒ፡ዘለላኦም ከኣ መሪር እዩ።+ 33 ወይኖም ሕንዚ ኣትማን፡ብርቱዕ ሕንዚ መንደላይ ተመን እዩ። 34 እዝስ ምሳይ ተኸዚኑ፡ኣብ ማዕከነይ ድማ ተሓቲሙዶ የሎን፧+ 35 መዓልቲ ጥፍኣቶም ቀሪባ፡እቲ ዚጽበዮም ከኣ ቀልጢፉ ኺመጽእ እዩ እሞ፡በታ ኣእጋሮም ዜንደልህጻላ ግዜ፡+ሕነን ፍዳን ናተይ እዩ።’+ 36 የሆዋስ ንህዝቡ ኺዳንዮ እዩ፣+ብርታዐኦም ከም ዝደኸመ፡ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን ጥራይ ከም ዝተረፈ ምስ ረኣየ ድማ፡ንገላዉኡ ኺድንግጸሎም* እዩ።+ 37 ሽዑ፡ ኪብል እዩ፦ ‘ኣማልኽቶም ኣበይ ኣለዉ፧+ እቲ እተማዕቈቡሉ ኸውሒ ኣበይ ኣሎ፧ 38 እቶም ስብሒ መስዋእቶም* ዚበልዑ፡ወይኒ መስዋእቲ መስተኦም ከኣ ዚሰትዩ ዝነበሩ ኣበይ ኣለዉ፧+ ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም። መዕቈቢ እውን ይኹኑኹም። 39 ሕጂ ርኣዩ፡ ኣነ፡ ኣነ ንሱ እየ፡+ብዘይካይ ድማ ኣማልኽቲ የለዉን።+ ኣነ እቐትል፡ ህያው ከኣ እገብር።+ ኣነ አቝስል፡+ አሕዊ ድማ፣+ካብ ኢደይ ኬናግፍ ዚኽእል ከኣ የልቦን።+ 40 ኢደይ ናብ ሰማይ አልዕል እሞ፡“ከምቲ ኣነ ንዘለኣለም ህያው ዝዀንኩ” ኢለ እምሕል፡+ 41 ነቲ ማሕማሕ ዚብል ሰይፈይ ምስ ሰሓልኩ፡ኢደይ እውን ንፍርዲ ምስ ኣዳሎኹ፡+ንተጻረርተይ ሕነ ኽፈድዮም እየ፡+ንዚጸልኡኒ እውን ክፈድዮም እየ። 42 ንፍላጻታተይ ብደም፡ብደም ቅቱላትን ምሩኻትን ከስክሮ እየ፣ሰይፈይ ድማ ካብ ኣራእስ መራሕቲ ጸላኢ፡ስጋ ኺበልዕ እዩ።’ 43 ሕነ ደም ገላዉኡ ኺፈዲ፡+ንተጻረርቱ ድማ ሕነ ኺፈዲ፡+ንምድሪ ህዝቡ ኸኣ ኬተዓርቓ* እዩ እሞ፡ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።”+ 44 ሙሴ ድማ፡ ንሱ ምስ ሆሼዓ*+ ወዲ ነዌ መጺኡ፡ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ፡ ኵሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ።+ 45 ሙሴ፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ንዅሉ እስራኤል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ 46 ከምዚ በሎም፦ “ንደቅኹም፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ምእንቲ ኽትእዝዝዎም፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ኸጠንቅቐኩም ዝዛረበኩም ዘለኹ ዅሉ ቓላት ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ።+ 47 እዝስ ንዓኻትኩም ህይወትኩም እዩ እምበር፡ ከንቱ ቓል ኣይኰነን፣+ በዚ ቓል እዚ ድማ ኣብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትርስተይዋ ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብሩ ኢኹም።” 48 የሆዋ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 49 “ናብዚ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ኸረን ዓባሪም፡ ከረን ኔቦ፡ ደይብ፣+ ነታ ንእስራኤላውያን ርስቲ ገይረ ዝህቦም ምድሪ ከነኣን ድማ ርኣያ።+ 50 ከምቲ ሓውካ ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ዝሞተን+ ናብ ህዝቡ እተኣከበን፡* ንስኻ እውን ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ክትመውትን ናብ ህዝብኻ ኽትእከብን ኢኻ፣ 51 ከመይሲ፡ ኣብቲ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዚርከብ ማይ መሪባ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ጠሊምኩምኒ ኢኹም፡+ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ኣይቀደስኩምንን።+ 52 ነታ ንህዝቢ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ኽትርእያ ኢኻ፡ ናብኣ ግና ኣይክትኣቱን ኢኻ።”+ 7 “የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ ኽትርስተያ እትኣትዋ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡+ ካብ ቅድሜኻ ብዙሓት ኣህዛብ፡ ሔታውያንን ጊርጋሳውያንን ኣሞራውያንን+ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን+ ዚብሃሉ ኻባኻ ዚበዝሑን ዚሕይሉን ሸውዓተ ኣህዛብ፡+ ኬወግድ እዩ።+ 2 የሆዋ ኣምላኽካ ንዓታቶም ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፣ ንስኻ ድማ ክትስዕሮም ኢኻ።+ ብርግጽ ኣጥፍኣዮም።+ ምሳታቶም ኪዳን ኣይትተኣታቶ፡ ሞገስ ከኣ ኣይተርእዮም።+ 3 ኣይትዋሰቦም። ኣዋልድካ ንኣወዳቶም ኣይትሃብ፣ ኣዋልዶም ከኣ ንኣወዳትካ ኣይትውሰድ።+ 4 ከመይሲ፡ ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ካብ ምስዓበይ ኪመልስዎም እዮም፣+ ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኪነድድ፡ ንሱ እውን ብፍጥነት ኬጥፍኣካ እዩ።+ 5 “ከምዚ ደኣ ግበርዎም፦ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ሰባብሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾኦም* ቍረጹ፡+ ቅሩጽ ምስልታቶም ከኣ ኣንድዱ።+ 6 ንስኻስ ንየሆዋ ኣምላኽካ ቕዱስ ህዝቢ ኢኻ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ህዝቡ፡ ፍሉይ ጥሪቱ* ኽትከውን ሓርዩካ ኣሎ።+ 7 “የሆዋ ዝፈተወኩምን ዝሓረየኩምን፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን፣+ እኳ ደኣስ፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝወሓድኩም ኢኹም።+ 8 የግዳስ፡ የሆዋ ስለ ዘፍቀረኩምን እቲ ንኣቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ+ ስለ ዝሓለወን እዩ የሆዋ ብሓያል ኢድ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት፡ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ እተበጀወኩም።+ 9 የሆዋ ኣምላኽካ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ነቶም ዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ዚሕልዉን ኪዳኑን ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ዚሕሉ እሙን ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ 10 ነቶም ዚጸልእዎ ግና፡ ኣብ ገጾም ብጥፍኣት ይፈድዮም።+ ኣብቶም ዚጸልእዎ ስጕምቲ ምውሳድ ኣይድንጕን እዩ፣ ኣብ ገጾም ይፈድዮም እዩ። 11 እምበኣር፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ ሓልዎ። 12 “ነዚ ፍርድታት እዚ ትሰምዖን ትሕልዎን ትገብሮን እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ እቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳንን ብተኣማንነት ዜርእዮም ፍቕርን ኪሕሉ እዩ። 13 ኬፍቅረካን ኪባርኸካን ኬብዝሓካን ከኣ እዩ። እወ፡ ኣብታ ንዓኻ ኺህበካ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን ምራኹት ከብትኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ኪባርኸልካ እዩ።+ 14 ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ፣+ ኣብ መንጎኻ ውሉድ ዘይብሉ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ፡ ኣብ ማልካ ኸኣ መኻን ኣይኪህሉን እዩ።+ 15 የሆዋ፡ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኼርሕቕ እዩ፣ ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ግብጺ እትፈልጦ ኽፉእ ሕማማት ድማ ገለ እኳ ኣይኬምጽኣልካን እዩ።+ ናብ ኵሎም እቶም ዚጸልኡኻ ደኣ ኼምጽኣሎም እዩ። 16 ንዅሎም እቶም የሆዋ ኣምላኽካ ኣሕሊፉ ዚህበካ ህዝብታት ኣጥፍኣዮም።*+ ኣይትደንግጸሎም፣*+ ኣማልኽቶም መፈንጠራ ስለ ዚዀኑኻ፡+ ኣይተገልግሎም።+ 17 “ብልብኻ፡ ‘እዞም ኣህዛብ እዚኦም ካባና ዚበዝሑ እዮም። ከመይ ገይረ ኽሰጕጎም እኽእል፧’ እንተ ኢልካ፡+ 18 ኣይትፍርሃዮም።+ እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵላ ግብጽን ዝገበሮ ዘክር፣+ 19 እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓብዪ ፍርድታትን* ትእምርትታትን ተኣምራትን+ እታ የሆዋ ኣምላኽካ ብእኣ ዘውጽኣካ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን እውን ዘክር።+ የሆዋ ኣምላኽካ ንዅሎም እትፈርሆም ህዝብታት ከምኡ ኺገብሮም እዩ።+ 20 እቶም ዝተረፉን ካብ ቅድሜኻ እተሓብኡን ክሳዕ ዚጠፍኡ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ሕልናኦም ኬዕርበሎም* እዩ።+ 21 የሆዋ ኣምላኽካ፡ ዓብይን ዜፍርህን ኣምላኽ፡+ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበር።+ 22 “የሆዋ ኣምላኽካ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም በብቝሩብ ካብ ቅድሜኻ ብርግጽ ኪሰጕጎም እዩ።+ ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑኻስ፡ ቀልጢፍካ ኽትውድኦም ኣይኪፍቀደልካን እዩ። 23 የሆዋ ኣምላኽካ ኣሕሊፉ ኺህበካ፡ ክሳዕ ዚጠፍኡ ድማ ፈጺሙ ኺስዕሮም እዩ።+ 24 ነገስታቶም ኣብ ኢድካ ኺህበካ እዩ፣+ ንስኻ ኸኣ ስማቶም ካብ ትሕቲ ሰማያት ከተጥፍእ ኢኻ።+ ክሳዕ እተጽንቶም፡+ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን።+ 25 ቅሩጽ ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ።+ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡+ ብእኡ ኸይትፍንጠርሲ፡ ኣይትመነዮ ወይ ኣይትውሰዶ።+ 26 ከምኡ ንጥፍኣት እተመጦኻ ኸይትኸውንሲ፡ ፍንፉን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱ። ንጥፍኣት እተመጠወ እዩ እሞ፡ ኣዚኻ ተጸየፎን ፈጺምካ ፈንፍኖን። 12 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብታ ምድሪ ብህይወት ኣብ እትነብሩለን ኵለን መዓልትታት ተጠንቂቕኩም እትገብርዎ ስርዓታትን ፍርድታትን እዚ እዩ። 2 ንዅሉ እቲ እቶም እተልቅቕዎም ኣህዛብ ንኣማልኽቶም ዜገልግሉሉ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራን ኰነ፡ ኣብ ኵርባታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ልሙዕ ኣእዋም ዘሎ ቦታታት ፈጺምኩም ኣጥፍእዎ።+ 3 መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታት ኣምልኾኦም ሰባብሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾኦም* ብሓዊ ኣንድዱ፡ ቅሩጽ ምስልታት ኣማልኽቶም ቍረጹ፡+ ስማቶም ድማ ካብቲ ቦታ እቲ ኣጥፍኡ።+ 4 “ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከምኡ ጌርኩም ኣይተምልኽዎ።+ 5 ግናኸ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣብታ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያን ኣብ መንጎ ዅሎም ነገዳትኩም ዚነብረላን ቦታ ድለይዎ፡ ናብኣ እውን ኪዱ።+ 6 ዚሓርር መስዋእትኹምን+ መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን+ ካብ ኢድኩም ዚውሃብ መባእን+ መስዋእቲ መብጽዓኹምን መስዋእቲ ፍታውኩምን+ በዅሪ ኸብትኹምን ጤለ በጊዕኩምን+ ከኣ ናብኣ ኣምጽኡ። 7 የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዝባረኸካ፡ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ብልዑ፡+ ብዅሉ ተግባርኩም ድማ ተሓጐሱ።+ 8 “ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘለና፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣዒንቱ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ* ኣይትግበሩ፣ 9 ምኽንያቱ፡ ክሳዕ ሕጂ ናብታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዚህበኩም መዕረፊትን+ ርስትን ኣይኣቶኹምን። 10 ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም+ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽኩም ክትርስተይዋ ዚህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም፡ ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ዅሎም ጸላእትኹም ብርግጽ ዕረፍቲ ኺህበኩም እዩ፡ ብደሓን እውን ክትቅመጡ ኢኹም።+ 11 ኵሉ እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፡ ማለት ዚሓርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን+ ካብ ኢድኩም ዚውሃብ መባእን ኵሉ እቲ ንየሆዋ ኽትመባጽዑ ዝሓረኹምዎ መስዋእቲ መብጽዓን፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽኩም ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ኣምጽኡ።+ 12 ንስኻትኩም፡ ኣወዳትኩም፡ ኣዋልድኩም፡ ተባዕትዮ ባሮትኩም፡ ኣንስትዮ ባሮትኩም፡ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን ስለ ዘይብሉ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም* ዘሎ ሌዋዊ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ተሓጐሱ።+ 13 ዚሓርር መስዋእትኻ ኣብ ዝዀነ ዝረኣኻዮ ቦታ ኸይትስውእ ተጠንቀቕ።+ 14 ዚሓርር መስዋእትኻ ኣብታ የሆዋ ኣብ ሓደ ኻብ ነገዳትካ ዝሓረያ ቦታ ደኣ ሰውእ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ኸኣ ኣብኣ ግበር።+ 15 “ኣብ ዝበሃግካዮ እዋን፡* ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሃበካ በረኸት፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታትካ* ሓሪድካ ስጋ ኽትበልዕ ትኽእል ኢኻ።+ ከምቲ ሰስሓ ወይ እራብ ዚብላዕ ገይሩ፡ ከምኡ ርኹስ ኰነ ንጹህ ሰብ ኪበልዖ ይኽእል እዩ። 16 ግናኸ፡ ነቲ ደም ከም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡+ ኣይትብልዓዮ።+ 17 ካብ ዕሽር እኽልኻ፡ ወይ ካብ ጕዕሽ ወይንኻ፡ ወይ ካብ ዘይትኻ፡ ወይ ካብ በዅሪ ኸብትኻን ጤለ በጊዕካን፡+ ወይ ካብ እተመባጻዕካዮ ዘበለ መስዋእቲ መብጽዓኻ፡ ወይ ካብ መስዋእቲ ፍታውካ፡ ወይ ካብ ኢድካ ኻብ እትህቦ መባእ፡ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ኽትበልዕ ኣይኪፍቀደልካን እዩ። 18 ነዝስ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ዘሎ ሌዋውን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ ደኣ ብልዓዮ፣+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ ተግባራትካ ኽትሕጐስ ኢኻ። 19 ኣብ ምድርኻ ብህይወት ክሳዕ ዝነበርካ፡ ንሌዋዊ ዕሽሽ ከይትብሎ ተጠንቀቕ።+ 20 “የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ዘተስፈወካ+ ሃገርካ ምስ ኣግፍሐ፡+ ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሃግካ፡* ‘ስጋ ኽበልዕ እደሊ እየ’ እንተ ኢልካ፡ ኣብ ዝበሃግካዮ እዋን* ስጋ ኽትበልዕ ትኽእል ኢኻ።+ 21 እታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሓረያ ቦታ+ እንተ ርሒቓትካ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ካብተን የሆዋ ዝሃበካ ኸብትኻ ወይ ጤለ በጊዕካ ሓሪድካ፡ ኣብ ዝበሃግካዮ እዋን* ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ብላዕ። 22 ከምቲ ሰስሓን እራብን እትበልዕ፡+ ከምኡ ጌርካ ኽትበልዖ ትኽእል ኢኻ፣ ርኹስ ኰነ ንጹህ ሰብ፡ ክልቲኦም ኪበልዕዎ ይኽእሉ እዮም። 23 ደም ከይትበልዕ ጥራይ ብጽኑዕ ወስን፣+ ከመይሲ፡ ደም፡ ህይወት* እዩ፣+ ህይወት* ድማ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ። 24 ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዓዮ።+ 25 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ብምግባርካ፡ ንዓኻን ብድሕሬኻ ኸኣ ንደቅኻን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣይትብልዓዮ። 26 ናብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ኽትመጽእ ከለኻ፡ እቲ ናትካ ቕዱስ ነገራትን መስዋእቲ መብጽዓኻን ጥራይ ኣምጽእ። 27 ኣብኣ ድማ ነቲ ዚሓርር መስዋእትኻ፡ ስጋኡን ደሙን፡+ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ ሰውኣዮ፣ ደም መስዋእቲ ሕሩድካ ኸኣ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ ይፍሰስ፣+ ነቲ ስጋ ግና ክትበልዖ ትኽእል ኢኻ። 28 “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ብምግባርካ ንዓኻን ብድሕሬኻ ኸኣ ንደቅኻን ወትሩ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ንዅሉ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ተጠንቂቕካ ተኣዘዞ። 29 “የሆዋ ኣምላኽካ ነዞም እተልቅቖም ኣህዛብ ምስ ኣጥፍኦም እሞ፡+ ኣብታ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ 30 ካብ ቅድሜኻ ምስ ጠፍኡ ኣብ መጻወድያ ኸይትኣቱ ተጠንቀቕ። ብዛዕባ ኣማልኽቶም፡ ‘እዞም ኣህዛብ እዚኦም ከመይ ገይሮም ንኣማልኽቶም የገልግሉ ነይሮም፧ ኣነ እውን ከምኡ ኽገብር እየ’ ኢልካ ኸይትሓትት ተጠንቀቕ።+ 31 ንኣማልኽቶም እቲ የሆዋ ዚጸልኦ ፍንፉን ዘበለ ይገብሩሎም፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ንኣማልኽቶም ብሓዊ የንድዱሎም እዮም እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።+ 32 እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ቓል ተጠንቂቕኩም ግበርዎ።+ ኣብኡ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ እውን ኣይትነክዩ።+ 1 እቲ ሙሴ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ኣብ በረኻ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ሱፍ ዘሎ ጐላጕል ምድረ በዳ፡ ኣብ መንጎ ጳራንን ቶፌልን ላባንን ሓጸሮትን ዲዛሃብን ንዅሉ እስራኤል እተዛረቦ ቓላት እዚ እዩ። 2 ካብ ሆሬብ ብመገዲ ኸረን ሰዒር ክሳብ ቃዴስ-ባርኔዓ፡+ መገዲ 11 መዓልቲ እዩ። 3 ኣብ መበል 40 ዓመት፡+ ኣብ መበል 11 ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ እታ ወርሒ፡ ሙሴ ንእስራኤላውያን* ከምቲ የሆዋ ንዓታቶም ኪነግሮም ዝኣዘዞ ዅሉ ተዛረቦም። 4 እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዚቕመጥ ዝነበረ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ዓሽታሮት ኣብ ኤድረይ+ ዚቕመጥ ዝነበረ ዖግ+ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ኰነ። 5 ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ሙሴ ኸምዚ ኢሉ ነዚ ሕጊ እዚ ኺገልጾ ጀመረ፦+ 6 “የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበና፦ ‘ኣብዚ ኣኽራን እዚ እተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም።+ 7 ተመሊስኩም ናብ ኣኽራን ኣሞራውያንን+ ናብ ኵሉ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዘሎ ዓራባን+ ናብ ኣኽራንን ናብ ሼፈላን ናብ ነጌብን ናብ ገምገም ባሕርን+ ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ናብ ሊባኖስን*+ ክሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡+ ተጐዓዙ። 8 ርአኹም፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣለኹ። እታ የሆዋ ንኣቦታትኩም፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን+ ንያእቆብን፡+ ንዓታቶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ እተውዋ፡ ተረስተይዋ ኸኣ።’+ 9 “በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ከምዚ ኢለ ተዛረብኩኹም፦ ‘ኣነ በይነይ ክጾረኩም ኣይክእልን እየ።+ 10 የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም እዩ፣ እንሆ ሎሚ ኸኣ፡ ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ኢኹም።+ 11 የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ካብቲ ዘለኹምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡+ ከምቲ ዘተስፈወኩም ድማ ይባርኽኩም።+ 12 ሰኸምኩምን ጾርኩምን ቈየቛኹምን ከመይ ገይረ በይነይ ክጾሮ እኽእል፧+ 13 ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ምኩራትን ሰባት ካብ ነገዳትኩም ሕረዩ፣ ኣነ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ርእስታት ገይረ ኽሸሞም እየ።’+ 14 ንስኻትኩም ከኣ፡ ‘እቲ ኽንገብሮ እተዛረብካና ነገር ጽቡቕ እዩ’ ኢልኩም መለስኩምለይ። 15 ሽዑ፡ ርእስታት ነገዳትኩም ዝዀኑ ጥበበኛታትን ምኩራትን ሰባት ወሲደ፡ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ኣሕሉቕ ነገዳትኩምን ገይረ ሸምክዎም።+ 16 “በታ ግዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፦ ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ነገር ምስ እትሰምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን ወይ ጓናን+ ብጽድቂ ፍረዱ።+ 17 ኣብ ፍርዲ ኣይተዳልዉ።+ ንንእሽቶ፡ ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ።+ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡+ ንሰብ ኣይትፍርሁ።+ ኣጸጋሚ ነገር እንተ ኣጋጢሙኩም፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኣነ እውን ክሰምዖ እየ።’+ 18 በታ ግዜ እቲኣ፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኽትገብርዎ ዚግባእ ኣዘዝኩኹም። 19 “ካብ ሆሬብ ነቒልና ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽና ዝኣዘዘና፡ ብዅሉ እቲ ኣብ መገዲ ኣኽራን ኣሞራውያን+ ዝረኣኹምዎ ዓብይን ዜፍርህን በረኻ ኸድና፣+ ናብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኸኣ መጻእና።+ 20 ኣነ ድማ ከምዚ በልኩኹም፦ ‘ናብቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚህበና ኣኽራን ኣሞራውያን መጺእኩም ኣለኹም። 21 ርአኻ፡ የሆዋ ኣምላኽካ እዛ ምድሪ ኣብ ኢድካ ሂቡካ ኣሎ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ደዪብካ ተረስተያ።+ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር እውን።’ 22 “ግናኸ፡ ኵላትኩም ናባይ ቀሪብኩም፡ ‘በየናይ መገዲ ኸም እንድይብን እንታይ ዓይነት ከተማታት ከም ዜጋጥማናን ተመሊሶም ምእንቲ ኺነግሩና፡ ነታ ምድሪ ዚድህስስዋ ሰባት ንስደድ’ በልኩምኒ።+ 23 እቲ ሓሳብ ጽቡቕ ስለ ዝመሰለኒ፡ ካባኻትኩም 12 ሰባት፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሓረኹ።+ 24 ከይዶም ድማ ናብ ኣኽራን ደየቡ፡+ ክሳብ ስንጭሮ* ኤሽኮል በጺሖም ከኣ ሰለይዋ። 25 ካብ ፍረ እታ ምድሪ ወሲዶም ድማ ተሰኪሞምዎ ናባና ተመልሱ፣ ‘እታ የሆዋ ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ ጽብቕቲ እያ’ ኢሎም ድማ ምላሽ ኣምጽኡልና።+ 26 ንስኻትኩም ግና ምድያብ ኣበኹም፣ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ዓሎኹም።+ 27 ኣብ ድንኳናትኩም ኴንኩም ከምዚ ኢልኩም ተዕዘምዝሙ ነበርኩም፦ ‘የሆዋ ስለ ዝጸልኣና፡ ምእንቲ ኼጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኺህበና ኢሉ እዩ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና። 28 ናበይ እሞ ኢና ኽንድይብ፧ ኣሕዋትና፡ “ንሳቶም ካባና ዚዓብዩን ዚነውሑን ህዝቢ እዮም፣ ከተማታቶም ከኣ ዓበይትን ክሳብ ሰማያት እተዓርዳን* እየን፣+ ደቂ ዓናቂም+ እውን ኣብኡ ርኢና” ኢሎም ንልብና ኣምኪኾምዎ።’+ 29 “ኣነ ድማ ከምዚ በልኩኹም፦ ‘ኣይትሸበሩ፡ ኣይትፍርህዎም እውን።+ 30 የሆዋ ኣምላኽኩም ከምቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገበረልኩም፡+ ቀቅድሜኹም ኪኸይድን ኪዋግኣልኩምን እዩ።+ 31 ኣብ በረኻ ኸኣ፡ ከምቲ ሰብ ንወዱ ዚጾሮ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ ዝኸድኩምዎ ዘበለ መገዲ ኸመይ ከም ዝጾረካ ርኢኻ ኢኻ።’ 32 እዚ ዅሉ ተባሂሉ ኽነሱ፡ ብየሆዋ ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን።+ 33 ንሱ ግና እትሰፍሩሉ ቦታ ኺስልየልኩም ቀቅድሜኹም ይኸይድ ነበረ። እትኸዱላ መገዲ ኼርእየኩም ድማ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸኣ ብደበና ተራእየ።+ 34 “የሆዋ ድማ ነቲ እትብልዎ ዝነበርኩም ይሰምዖ ነበረ፣ ተቘጢዑ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መሓለ፦+ 35 ‘ካብዚ እኩይ ወለዶ እዚ ሓደ እኳ ነታ ንኣቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩላ ጽብቕቲ ምድሪ ኣይኪርእያን እዩ፣+ 36 ብዘይካ ካሌብ ወዲ የፉነ ሓደ እኳ ኣይኪርእያን እዩ። ንሱ ኺርእያ እዩ፣ ብምሉእ ልቡ* ንየሆዋ ስለ ዝሰዓቦ ኸኣ፡ ነታ ዝረገጻ ምድሪ ንዕኡን ንደቁን ክህቦም እየ።+ 37 (የሆዋ ድማ ብሰርኹም ተቘጥዓኒ፣ “ንስኻ እውን ኣይክትኣትዋን ኢኻ።+ 38 እቲ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል እያሱ ወዲ ነዌ፡+ ንሱ እዩ ናብታ ምድሪ ዚኣቱ።+ ንሱ ንእስራኤል ኬውርሶ እዩ እሞ፡ ኣበርትዓዮ”*+ ኸኣ በለኒ።) 39 እቶም ኪማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ቈልዑኹምን+ እቶም ሎሚ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ዘይፈልጡ ደቅኹምን፡ ንሳቶም ኪኣትውዋ እዮም፡ ንዓታቶም ድማ ክህቦም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪርስተይዋ እዮም።+ 40 ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፡ ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢልኩም ናብ በረኻ ተጐዓዙ።’+ 41 “ሽዑ፡ ‘ንየሆዋ በዲልናዮ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽና ዝኣዘዘና፡ ደዪብና ንዋጋእ!’ በልኩምኒ። ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ነናቱ ኣጽዋር ውግእ ተዓጥቀ፡ ናብቲ ኸረን ምድያብ ቀሊል ከም ዝዀነ ኸኣ መሰለኩም።+ 42 የሆዋ ግና፡ ‘“ምሳኻትኩም ኣይከውንን እየ እሞ፡ ብጸላእትኹም ከይትሰዓሩስ፡ ኣይትደይቡ፡ ኣይትዋግኡ እውን”+ በሎም’ በለኒ። 43 ኣነ ድማ ነገርኩኹም፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን። የግዳስ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ዓሎኹም፡ ብድፍረት እውን ናብቲ ኸረን ክትድይቡ ፈተንኩም። 44 እቶም ኣብቲ ኸረን ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ኪቀባበሉኹም ወጺኦም ከምቲ ንህቢ ዚገብሮ ገይሮም ሰጐጉኹም፡ ኣብ ሰዒር ድማ ክሳብ ሖርማ ፋሕ ኣበሉኹም። 45 ተመሊስኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ በኸኹም፣ የሆዋ ግና ኣይሰምዓኩምን፡ ናባኻትኩም እውን ኣየድሃበን። 46 ስለዚ ኢኹም ክሳዕ ክንድዚ ኣብ ቃዴስ እተቐመጥኩም። 29 እቲ የሆዋ ብዘይካ እቲ ኣብ ሆሬብ ዝኣተዎ ኺዳን፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ንሙሴ ምስ እስራኤላውያን ኪኣቱ ዝኣዘዞ ቓላት ኪዳን እዚ እዩ።+ 2 ሙሴ ኸኣ ንብዘለዉ እስራኤል ጸዊዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኵሉ እቲ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንዅሎም ገላዉኡን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም፣+ 3 እቲ ኣዒንትኹም ዝረኣያኦ ዓበይቲ ፍርድታት፡* እቲ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ርኢኹም ኢኹም።+ 4 ግናኸ፡ የሆዋ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ልቢ ንምርዳእ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ኣይሃበኩምን።+ 5 ‘40 ዓመት ኣብ በረኻ ኽመርሓኩም ከለኹ፡+ ክዳውንትኹም ኣብ ዝባንኩም ኣይበለየን፡ ኣሳእንኩም ድማ ኣብ ኣእጋርኩም ኣይበለየን።+ 6 ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ እንጌራ ኣይበላዕኩምን፡ ወይንን ኣልኮላዊ መስተን ከኣ ኣይሰተኹምን።’ 7 ናብዛ ቦታ እዚኣ ድማ መጻእኩም፣ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን+ ዖግ ንጉስ ባሳንን+ ከኣ ብውግእ ኪቀባበሉና ወጹ፣ ንሕና ድማ ሰዓርናዮም።+ 8 ድሕሪኡ፡ ምድሮም ወሰድና፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናስያውያንን ንርስቲ ሃብናዮም።+ 9 እምበኣር፡ እትገብርዎ ዅሉ ምእንቲ ኺሰልጠኩም፡ ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ሓልውዎን ተኣዘዝዎን።+ 10 “ሎሚ፡ ኵላትኩም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም፡ ማለት ርእስታት ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹም፡ ኣሕሉቕኩም፡ ኵሎም ሰብኡት እስራኤል፡ 11 ደቅኹም፡ ኣንስትኹም፡+ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዘሎ ጓናኻ፡+ ካብ ኣራይ ዕንጨይቲ ኽሳዕ ወራድ ማይ፡ 12 ናብቲ የሆዋ ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዚኣትዎ ዘሎ ኺዳን የሆዋ ኣምላኽካን ናብ ማሕላኡን ምእንቲ ኽትኣቱ እዩ፣+ 13 ከምቲ ዘተስፈወካ፡ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን+ ይስሃቅን+ ያእቆብን+ ከኣ ዝመሓለሎም፡ ሎሚ ንዓኻ ህዝቡ ገይሩ ምእንቲ ኬቝመካ፡+ ንሱ ድማ ኣምላኽካ ምእንቲ ኪኸውን+ እውን እዩ። 14 “እዚ ኺዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ዝገብር ዘለኹ፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ዘይኰነስ፡ 15 ምስዞም ሎሚ ምሳና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና ደው ኢሎም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ዘየለዉን እውን እየ። 16 (ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸመይ ንነብር ከም ዝነበርናን ኣብ ጕዕዞና ብማእከል እተፈላለዩ ኣህዛብ ከመይ ከም ዝሓለፍናንሲ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 17 እቲ ፍንፉን ነገራቶምን እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ጽዩፍ ጣኦታት*+ ዕንጨይትን እምንን ብሩርን ወርቅን ከኣ ትርእዩ ነበርኩም።) 18 ሎሚ ልቡ ኻብ የሆዋ ኣምላኽና መሊሱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኦም ኬገልግል ዚኸይድ ሰብኣይ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ዓሌት፡ ወይ ነገድ ከይህልወኩም፡+ ኣብ መንጎኹም መርዛም ፍረን ምረትን ዜፍሪ ሱር ድማ ከይርከበኩም ተጠንቀቑ።+ 19 “ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ቃላት እዚ ማሕላ እዚ እንተ ሰሚዑ እሞ፡ ኣብ መገዱ ዘሎ ዅሉ* ኼጥፍእሲ፡ ‘ብመገድታት ልበይ ተሪረ እኳ እንተ ተመላለስኩ፡ ሰላም ክረክብ እየ’ ኢሉ ብልቡ እንተ ተመኪሑ፡ 20 የሆዋ ይቕረ ኺብለሉ ፍቓደኛ ኣይኪኸውንን እዩ።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ዓብዪ ቝጥዓ የሆዋ ኣብቲ ሰብ እቲ ኺነድድ፡ ብዘሎ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ መርገም ከኣ ብርግጽ ኪወርዶ፡+ የሆዋ ድማ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማያት ብርግጽ ኪድምስሶ እዩ። 21 የሆዋ ኸኣ ከምቲ ኣብዛ መጽሓፍ ሕጊ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም ኪዳን፡ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ንመዓት ኪፈልዮ እዩ። 22 “ናይ መጻኢ ወለዶ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ጓናን ነቲ መዓት እታ ምድሪ እቲኣ፡ እቲ የሆዋ ኣብኣ ዜምጽኦ ሕማማት ምስ ረኣዩ፡— 23 ከምቲ የሆዋ ብዅራኡን ብቝጥዓኡን ዝገልበጠን ምግልባጥ ሶዶምን ጎሞራን+ ኣድማን ጸቦኢምን+ ከኣ፡ ብዘላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተብቍልን ዝዀነ ኣትክልቲ ኣብኣ ኸይዓብን፡ ኣብኣ ዜምጽኦ ዲንን ጨውን ንዳድን ምስ ረኣዩ፡— 24 ንሳቶምን ኵሎም ኣህዛብን፡ ‘ስለምንታይ እዩ የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ፧+ ስለምንታይከ እዩ እዚ ዓብዪ ቝጥዓኡ ዝነደደ፧’ ኪብሉ እዮም። 25 ሽዑ፡ ከምዚ ኺብሉ እዮም፦ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ምሳታቶም ዝኣተዎ ኺዳን የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደጉ እዩ።+ 26 ከይዶም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዘይፈልጥዎምን ኬምልኽዎም ንዘይፈቐደሎምን* ኣማልኽቲ፡ ኣገልገሉን ሰገዱሎምን።+ 27 እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጻሕፈ ብዘሎ መርገም ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብምውራድ ድማ፡ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣብኣ መጸ።+ 28 ስለዚ፡ የሆዋ ብዅራኡን ብነድሩን ብዓብዪ ቝጥዓኡን ካብ ምድሮም ምሕዩ፡+ ናብቲ ሎሚ ዘለውዎ ኻልእ ምድሪ ኣግዓዞም።’+ 29 “እቲ ስዉር ነገር ናይ የሆዋ ኣምላኽና እዩ፣+ እቲ ግሉጽ ነገር ግና፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብሮ፡ ንዘለኣለም ናትናን ናይ ደቅናን እዩ።+ 28 “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ ንምግባር ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ብርግጽ እንተ ሰሚዕካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ ልዕል ኬብለካ እዩ።+ 2 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ትሰምዕ ስለ ዘለኻ፡ ኵሉ እዚ በረኸት እዚ ኺመጸካን ኬርክበካን እዩ፦+ 3 “ኣብ ከተማ ብሩኽ ክትከውን፡ ኣብ መሮር እውን ብሩኽ ክትከውን ኢኻ።+ 4 “ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምራኹት ከብትኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ብሩኽ ኪኸውን እዩ።+ 5 “ከፈርካን+ መልወሲኻን+ ብሩኽ ኪኸውን እዩ። 6 “ክትኣቱ ኸለኻ ብሩኽ ክትከውን፡ ክትወጽእ ከለኻ እውን ብሩኽ ክትከውን ኢኻ። 7 “የሆዋ ነቶም ዚትንስኡኻ ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዚስዓሩ ኺገብሮም እዩ።+ ካብ ሓደ ኣንፈት ኬጥቅዑኻ እዮም፡ ካባኻ ግና ብሸውዓተ ኣንፈት ኪሃድሙ እዮም።+ 8 የሆዋ ኣብ ማዕከንካን ኣብ ኵሉ ተግባርካን በረኸት ኪእዝዘልካ፡+ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ። 9 ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ ትሕሉን ብመገድታቱ ትመላለስን ስለ ዘለኻ፡ የሆዋ ኸምቲ ዝመሓለልካ፡+ ንዕኡ ቕዱስ ህዝቢ ገይሩ ኬቝመካ እዩ።+ 10 ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ስም የሆዋ ኣባኻ ኸም እተጸውዐ+ ኺርእዩን ኪፈርሁኻን እዮም።+ 11 “ኣብታ የሆዋ ንዓኻ ኺህበካ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ የሆዋ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ማልካን ፍረ ምድርኻን ኣኺሉ ኸም ዚተርፍ ኪገብረልካ እዩ።+ 12 ኣብ ወቕቱ ዝናም ንምድርኻ ምእንቲ ኺህብን+ ኵሉ እቲ እትገብሮ ምእንቲ ኺባርኽን፡ የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ማዕከኑ ዝዀነ ሰማያት ኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ኣህዛብ ከተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይክትልቃሕን ኢኻ።+ 13 እዚ ኣነ ሎሚ ኽትሕልዎን ክትገብሮን ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ እንተ ተኣዚዝካ፡ የሆዋ ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይኪገብረካን፡ ላዕሊ እምበር፡+ ታሕቲ ኣይኪገብረካን እዩ። 14 ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ንምኻድን ንምግልጋሎምን፡+ ካብቲ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+ 15 “ግናኸ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ንምግባር ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ እንተ ዘይሰሚዕካ፡ ኵሉ እዚ መርገም እዚ ኺመጸካን ኬርክበካን እዩ፦+ 16 “ኣብ ከተማ ርጉም ክትከውን፡ ኣብ መሮር እውን ርጉም ክትከውን ኢኻ።+ 17 “ከፈርካን+ መልወሲኻን ርጉም ኪኸውን እዩ።+ 18 “ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምራኹት ከብትኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ርጉም ኪኸውን እዩ።+ 19 “ክትኣቱ ኸለኻ ርጉም ክትከውን፡ ክትወጽእ ከለኻ እውን ርጉም ክትከውን ኢኻ። 20 “ስለቲ ኽፉእ ተግባራትካን ንዓይ ስለ ዝሓደግካንን፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ የሆዋ ኣብ ኵሉ እትገብሮ ተግባርካ መርገምን ዕግርግርን መቕጻዕትን ኪሰድደልካ እዩ።+ 21 የሆዋ ኻብታ ኽትርስተያ እትኸዳ ዘለኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተካ፡ ሕማም ኬልግበልካ እዩ።+ 22 የሆዋ ብዓባይ ሰዓልን ብብርቱዕ ረስንን+ ብነድርን ብብርቱዕ ዋዕን ብሰይፍን+ ብሃጕን ብዋግን+ ኪወቕዓካ እዩ፣ ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ ኪስዕቡኻ እዮም። 23 ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማያት ነሓሲ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ኸኣ ሓጺን ክትከውን እያ።+ 24 የሆዋ ንዝናም ምድርኻ ተጐጓን ደሮናን ኪገብሮ እዩ፣ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ካብ ሰማያት ኪወርደካ እዩ። 25 የሆዋ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኸም እትስዓር ኪገብረካ እዩ።+ ካብ ሓደ ኣንፈት ከተጥቅዖም ኢኻ፡ ካባታቶም ግና ብሸውዓተ ኣንፈት ክትሃድም ኢኻ። ንዅለን መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽትከውን ኢኻ።+ 26 ሬሳታትካ ድማ ንዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ፡ ዜፍርሆም ከኣ ኣይኪህሉን እዩ።+ 27 “የሆዋ፡ ክትሓውየሉ ብዘይትኽእል ምጕልንጭዋ ግብጽን ጀርባዶን መበላይን ዕንፍሩርን ኪወቕዓካ እዩ። 28 የሆዋ ብጽላለን ብዑረትን+ ብድንጋረን* ክወቕዓካ እዩ። 29 ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፣+ እትገብሮ ዘበለ እውን ኣይኪቐንዓካን እዩ፣ ወትሩ ኽትዕመጽን ክትዝመትን ኢኻ፡ ዜድሕነካ እውን የልቦን።+ 30 ሰበይቲ ኽትሕጸ፡ ግናኸ ኻልእ ኪዕምጻ እዩ። ቤት ክትሃንጽ፡ ግናኸ ኣይክትነብረላን ኢኻ።+ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተክል፡ ግናኸ ፍሪኡ ኣይክትጥቀመሉን ኢኻ።+ 31 ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኺሕረድ፡ ግናኸ ኻብኡ ኣይክትበልዕን ኢኻ። ኣድግኻ ኣብ ቅድሜኻ ኺዝረፍ፡ ግናኸ ኣይኪምለሰካን እዩ። ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ኺውሃባ፡ ግናኸ ዜድሕነካ የልቦን። 32 ኣወዳትካን ኣዋልድካን እናረኣኻ ንኻልእ ህዝቢ ኺውሃቡ፡+ ንስኻ ድማ ወትሩ ሃረር ክትብሎም፡ ግናኸ ኣብ ኣእዳውካ ሓይሊ ኣይኪህሉን እዩ። 33 ፍረ ምድርኻን ኵሉ ፍርያትካን፡ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ፣+ ንስኻ ድማ ወትሩ ኽትዕመጽን ክትጭፍለቕን ኢኻ። 34 በቲ ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ኸኣ ክትጽለል ኢኻ። 35 “የሆዋ ኣብ ኣብራኽካን ኣእጋርካን፡ ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳብ መንበስበስታኻ፡ ብዜሳቕን ብዘይሓውን ምጕልንጭዋ ኺወቕዓካ እዩ። 36 የሆዋ ንዓኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስን፡ ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰድደካ፡+ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕንጨይትን እምንን ከተገልግል ኢኻ።+ 37 ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም የሆዋ ዚሰጕጐካ ህዝብታት ከኣ መሰክሕን መመሰልን መላገጽን ክትከውን ኢኻ።+ 38 “ናብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ኸተምጽእ፡ ኣንበጣ ስለ ዚበልዖ ግና፡ እትእክቦ ሒደት ኪኸውን እዩ።+ 39 ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተክልን ክትኵስኵስን፡ ሓሰኻ ስለ ዚበልዖ ግና፡ ወይኒ ኣይክትሰትን፡ ገለ እኳ ኣይክትእክብን ኢኻ።+ 40 ኣብ ኵላ ሃገርካ ኣእዋም ኣውልዕ ኪህልወካ፡ እቲ ኣውልዕካ ስለ ዚረግፍ ግና፡ ዘይቲ ኣይክትልከን ኢኻ። 41 ኣወዳትን ኣዋልድን ክትወልድ፡ ተማሪኾም ስለ ዚኸዱ ግና፡ ንዓኻ ኣይኪዀኑን እዮም።+ 42 ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ብዕስለታት ሓሸራ* ኺውረስ እዩ። 43 ኣብ ማእከልካ ዘሎ ጓና ኣብ ልዕሌኻ እናለዓለ ኪኸይድ፡ ንስኻ ግና እናተሓትካ ኽትወርድ ኢኻ። 44 ንሱ ኼለቅሓካ፡ ንስኻ ግና ኣይከተለቅሖን ኢኻ።+ ንሱ ርእሲ ኪኸውን፡ ንስኻ ግና ጭራ ኽትከውን ኢኻ።+ 45 “እቲ ዝኣዘዘካ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ንምሕላው ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡+ እዚ ዅሉ መርገም+ እዚ ብርግጽ ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪስዕበካን ኬርክበካን እዩ።+ 46 ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ናይ ሓዋሩ ምልክትን ተኣምራትን ኪኸውን እዩ፣+ 47 እዚ ኸኣ ኵሉ ኣኺሉ ተሪፉካ ኸሎ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ብታሕጓስን ብሕጉስ ልብን ስለ ዘየገልገልካዮ እዩ።+ 48 የሆዋ ንጸላእትኻ ኣንጻርካ ኺሰድዶም፡ ንስኻ ድማ ጠሚኻን+ ጸሚእካን ዓሪቕካን ስኢንካን ከለኻ ኽትግዝኦም ኢኻ።+ ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣብ ክሳድካ ኣርዑት ሓጺን ኬንብር እዩ። 49 “የሆዋ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ህዝቢ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኣንጻርካ ኼተንስእ እዩ፣+ ንሱ ኸም ንስሪ ዚምንጥል፡+ ቋንቋኡ ዘይትርድኦ ህዝቢ፡+ 50 ንኣረጊት ዘይሓፍር ወይ ንጐበዝ ዘየናሕሲ ጨካን ዝትርኢቱ ህዝቢ እዩ።+ 51 ክሳዕ እትጠፍእ፡ ፍረ ማልካን ፍረ ምድርኻን ኪበልዑ እዮም። ክሳዕ ዜጥፍኡኻ፡ እኽሊ ዀነ፡ ጕዕሽ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምራኽ ከብቲ ዀነ፡ ወይ ዕየት በጊዕ ኣይኪሓድጉልካን እዮም።+ 52 እቲ እትእመነሉ ነዊሕን እተዓርደን መካበብያ ኽሳዕ ዚፈርስ፡ ኣብ ውሽጢ ዅለን እተን ኣብ ብዘላ ምድርኻ ዘለዋ ኸተማታት* ዓጽዮም ኪኸብቡኻ እዮም። እወ፡ ኣብ ውሽጢ ዅለን እተን ኣብ ብዘላ እታ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሃበካ ምድርኻ ዘለዋ ኸተማታትካ ብርግጽ ኪኸብቡኻ እዮም።+ 53 ብሰንኪ ሕሰም እቲ ኸበባን ብሰንኪ እቲ ጸላእትኻ ዜጽብቡልካ ጸበባን፡ ፍረ ኸርስኻ፡ ስጋ እቶም የሆዋ ኣምላኽካ ዝሃበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ክትበልዕ ኢኻ።+ 54 “ኣብ መንጎኻ ዘሎ ኣዝዩ ተነቃፍን ሕንቁቕን ሰብ እኳ፡ ንሓዉን ነታ ዜፍቅራ ሰበይቱን ንዝተረፉ ደቁን ኣይኪድንግጸሎምን እዩ፣ 55 ብሰንኪ ሕሰም እቲ ኸበባን ብሰንኪ እቲ ጸላእትኻ ንኸተማታትካ ዜጽብቡለን ጸበባን ከኣ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ደቁ ኣይኪመቕሎምን እዩ።+ 56 ተነቃፊት ብምዃና ብኸብዲ እግራ ንምድሪ ምርጋጽ እኳ ዘይትሓስብ ኣብ መንጎኻ ዘላ ተነቃፊትን ሕንቅቕትን ሰበይቲ እውን፡+ ንእተፍቅሮ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ኣይክትድንግጸሎምን እያ፣ 57 ብሰንኪ ሕሰም እቲ ኸበባን ብሰንኪ እቲ ጸላእትኻ ንኸተማታትካ ዜጽብቡለን ጸበባን፡ ካብ መንጎ ኣእጋራ ንዝወጸ መዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን እኳ ብሕቡእ ክትበልዕ እያ። 58 “ነቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቕካ እንተ ዘይጌርካዮ፡+ ነዚ ናይ የሆዋ+ ኣምላኽካ ኽቡርን ዜፍርህን ስም ድማ እንተ ዘይፈሪህካ፡+ 59 የሆዋ ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ኣዝዩ ብርቱዕ መዓት፡ ዓብይን ነባርን መዓት፡+ ዜቐንዙን ሕዱርን ሕማም ኬምጽእ እዩ። 60 ኵሉ እቲ እትፈርሆ ዝነበርካ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ፡ ንሱ ኸኣ ብርግጽ ኪለግበካ እዩ። 61 ክሳዕ እትጠፍእ ድማ፡ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን መዓትን ኬምጽኣልካ እዩ። 62 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ዝምብዛሕኩም እኳ እንተ ነበርኩም፡+ ብቝጽሪ ኣመና ሒደት ክትተርፉ ኢኹም።+ 63 “ከምቲ የሆዋ ሓደ እዋን ጽቡቕ ኪገብረልኩምን ኬብዝሓኩምን ደስ ዝበሎ ድማ፡ የሆዋ ኼጥፍኣኩምን ኬጽንተኩምን ደስ ኪብሎ እዩ፣ ካብታ እትርስተይዋ ምድሪ ኽትምንቈሱ ኢኹም። 64 “የሆዋ ድማ ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ፋሕ ኬብለካ እዩ፣+ ኣብኡ ኸኣ ንስኻን ኣቦታትካን ዘይትፈልጥዎም ኣማልኽቲ ዕንጨይትን እምንን ከተገልግል ኢኻ።+ 65 ኣብ መንጎ እቶም ኣህዛብ እቲኦም ሰላም ኣይኪህልወካን እዩ፣+ ንኸብዲ እግርኻ እውን መዕረፊ ኣይክትረክብን ኢኻ። የግዳስ፡ የሆዋ ኣብኡ ሸቐልቀል ዚብል ልብን+ ዝደኸማ ኣዒንትን ቅብጸትን* ኪህበካ እዩ።+ 66 ህይወትካ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ኽትከውን እያ፣ ለይትን መዓልትን ክትርዕድ ኢኻ፣ ንህይወትካ እውን ክትሰግእ ኢኻ። 67 ብሰንኪ እቲ ኣብ ልብኻ ዚስምዓካ ራዕድን ብሰንኪ እቲ ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ነገርን፡ ንግሆ፡ ‘እንተ ዚመሲ’ ኽትብል፡ ምሸት ድማ፡ ‘እንተ ዚነግህ’ ክትብል ኢኻ። 68 የሆዋ ብመርከብ ገይሩ ናብታ ‘ደጊም ኣይክትርእያን ኢኻ’ ዝበልኩኻ ግብጺ ብርግጽ ኪመልሰካ እዩ፣ ኣብኣ ኸኣ ርእስኹም ግዙእን ግዝእትን ጌርኩም ንጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም፡ ዓዳጊ ግና የልቦን።” 8 “ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን+ ምእንቲ ኽትበዝሑን ናብታ የሆዋ ንኣቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉን ምእንቲ ኽትርስተይዋን፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ። 2 የሆዋ ኣምላኽካ ትእዛዛቱ ትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኣብ ልብኻ ዘሎ ምእንቲ ኺፈልጥ፡+ ትሕት ኬብለካን ኪፍትነካን ኢሉ፡+ ኣብዘን 40 ዓመት ኣብ በረኻ ዘኸደካ ነዊሕ መገዲ ዘክር።+ 3 ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ ድማ፡+ ትሕት ኣበለካ፡ ኣጥመየካ፡+ ንስኻ ዘይፈለጥካዮን ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎን ማና ኸኣ ኣብልዓካ።+ 4 ኣብዘን 40 ዓመት፡ ክዳንካ ኣይበለየን፡ እግርኻ እውን ኣይሓበጠን።+ 5 ሰብ ንወዱ ኸም ዚእርሞ፡ ከምኡ የሆዋ ኣምላኽካ ይእርመካ ኸም ዝነበረ፡+ ብልብኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ። 6 “ብመገዱ ብምምልላስን ንዕኡ ብምፍራህን ከኣ፡ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ ሓሉ። 7 የሆዋ ኣምላኽካስ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ፣+ ንሳ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት፡* ኣብ ጐልጐል ስንጭሮን ኣብ ኣኽራንን ዚውሕዝ ዓይኒ ማያትን ዒላታትን ዘለዋ፡ 8 ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡+ ምድሪ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡+ 9 እንጌራ ዘይስኣናን ኣብኣ ገለ እኳ ዘይጐድለካን ምድሪ፡ ኣብ ኣእማና ሓጺን ዚርከበላ፡ ካብ ኣኽራና ድማ ነሓሲ እትዕድነላ ምድሪ እያ። 10 “ምስ በላዕካን ምስ ጸገብካን፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ስለታ ዝሃበካ ጽብቕቲ ምድሪ ወድሶ።+ 11 ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግታቱን ብዘይምሕላው፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸይትርስዖ ተጠንቀቕ። 12 ምስ በላዕካን ምስ ጸገብካን፡ ጽቡቓት ኣባይቲ ሃኒጽካ ድማ ምስ ተቐመጥካለን፡+ 13 ከብትኻን ጤለ በጊዕካን ከኣ ምስ ሰሰና፡ ብሩርካን ወርቅኻን ድማ ምስ በዝሐ፡ ኵሉ ኸኣ ኣኺሉ ምስ ተረፈካ፡ 14 ልብኻ ኣይተዓበ፡+ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣየረስዕካ፣+ 15 ንሱ በቲ መርዛማት ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዎ፡ ማይ ዘይብሉ ኣጻምእ ዝዀነ ዓብይን ዜፍርህን በረኻ ዘኸደካ እዩ።+ ካብ ከውሒ ኣዝሒት ከኣ፡ ማይ ኣውጽኣልካ፣+ 16 ኣብ መጻኢ ኺጠቕመካ ኢሉ ትሕት ምእንቲ ኼብለካን+ ምእንቲ ኺፍትነካን ድማ፡+ ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትካ ዘይፈልጥዎ ማና ኣብልዓካ።+ 17 ብልብኻ፡ ‘ሓይለይን ብርታዐ ኢደይን እዚ ዅሉ ሃብቲ ገይሩለይ’ እንተ ኢልካ፡+ 18 ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ነቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳኑ ምእንቲ ኺፍጽሞ፡+ ሃብቲ ኽትገብር ሓይሊ ዝሃበካ የሆዋ ኣምላኽካ ምዃኑ ዘክር።+ 19 “ንየሆዋ ኣምላኽካ እንተ ረሲዕካዮ፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ኼድካን እንተ ኣገልጊልካዮምን እንተ ሰጊድካሎምን፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ሎሚ እምስክረልኩም ኣለኹ።+ 20 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም የሆዋ ኻብ ቅድሜኹም ዜጥፍኦም ዘሎ ኣህዛብ፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።+ 11 “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡+ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎካ ግዴታን ሕግታቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱን ድማ ወትሩ ሓሉ። 2 ሎሚ ነቶም ተግሳጽ የሆዋ ኣምላኽኩምን+ ዕቤቱን+ ሓያል ኢዱን+ ዝርግሕቲ ቕልጽሙን ዘይፈለጡ ወይ ዘይረኣዩ ደቅኹም ዘይኰነስ፡ ንዓኻትኩም እዛረበኩም ከም ዘለኹ ትፈልጡ ኢኹም። 3 ንሳቶም እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኣብ ኵላ ምድሩን ዝገበሮ ትእምርትታቱን ግብርታቱን ኣይረኣዩን።+ 4 እቲ ኣብቶም ኪሰጕጉኹም ከለዉ ብማያት ቀይሕ ባሕሪ እተደፍኑ ሰራዊት ግብጽን ኣፍራስን ሰረገላታትን ፈርኦንን ዝገበሮ፡ የሆዋ ኸኣ ሓንሳእን ንሓዋሩን* ከም ዘጥፍኦም ድማ ኣይረኣዩን።+ 5 ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ በረኻ እንታይ ከም ዝገበረልኩም* ከኣ ኣይረኣዩን። 6 ንዳታንን ንኣቢራምን፡ ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፡ ምድሪ ተኸፊታ ምስ ቤተ ሰቦምን ምስ ድንኳናቶምን ምስ ኵሉ ዚስዕቦም ዝነበረ ህያውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ክትውሕጦም ከላ ዝገበሮም እውን ኣይረኣዩን።+ 7 ኣዒንትኹም እየን እቲ የሆዋ ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት ዝረኣያ። 8 “እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ሓልዉ፣ እዚ እትገብሩ ኸኣ ምእንቲ ኽትሕይሉ፡ ናብታ እትርስተይዋ ምድሪ ድማ ምእንቲ ኽትሳገሩ፡ 9 ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ+ ኸኣ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብሩ እዩ።+ 10 “እታ እትርስተያ ምድሪ፡ ከምታ ኻብኣ ዝወጻእኩም ምድሪ ግብጺ፡ ዘርእኻ ዘሪእካ፡ ከም ስፍራ ኣሕምልቲ ብእግርኻ ጌርካ ብመስኖ እተስትያ* ኣይኰነትን። 11 እታ ተሳጊርኩም እትርስተይዋ ምድርስ፡ ምድሪ ኣኽራንን ጐላጕል ስንጭሮን እያ።+ ካብ ሰማያት ዚዘንም ማይ እትሰቲ፡+ 12 የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ዚከናኸና ምድሪ እያ። ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከኣ፡ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ ወትሩ ኣብኣ እየን። 13 “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ብትግሃት እንተ ተኣዚዝኩም፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ድማ እንተ ኣፍቂርኩምዎ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን* ከኣ እንተ ኣገልጊልኩምዎ፡+ 14 ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ንምድርኹም ዝናም፡ ማለት ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ክህበኩም እየ፣ እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን ድማ ክትእክብ ኢኻ።+ 15 ኣብ ግራውትኻ ኸኣ ንማልካ ሳዕሪ ኽህበን እየ። ንስኻ ድማ ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ።+ 16 ልብኹም ከይስሕት፡ ኣልጊስኩም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን ተጠንቀቑ።+ 17 ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፣ ንሰማያት ከይዘንም ኪዓጽዎ+ እሞ ምድሪ ፍሪኣ ኽትከልእ እያ፣ ንስኻትኩም ድማ ካብታ የሆዋ ዚህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ክትጠፍኡ ኢኹም።+ 18 “ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን* ቅረጽዎ፣ ከም መዘኻኸሪ ድማ ኣብ ኢድኩም እሰርዎ፣ ኣብ ግምባርኩም* ከኣ ከም ክታብ ይኹን።+ 19 ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብዛዕባኡ እናተዛረብኩም እውን፡ ንደቅኹም ምሃርዎም።+ 20 ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሓፎ፣ 21 እዚ ድማ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትኩም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ ሰማያት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎ፡ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብሩ እዩ።+ 22 “ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከተፍቅርዎን+ ብዅሉ መገድታቱ ኽትመላለሱን ምስኡ ኽትለግቡን፡+ እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሊኹምን እንተ ጌርኩምን፡ 23 የሆዋ ኸኣ ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኦም ካብ ቅድሜኹም ኪሰጕጎም እዩ፣+ ንስኻትኩም እውን ካባኻትኩም ንዚዓብዩን ንዚበዝሑን ኣህዛብ ከተልቅቑ ኢኹም።+ 24 እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ።+ ዶብኩም ካብ በረኻ ሊባኖስ፡ ካብቲ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ክሳብ እቲ ምዕራባዊ ባሕሪ* ኪኸውን እዩ።+ 25 ዚቃወመኩም ሰብ ኣይኪህሉን እዩ።+ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ብዘላ እታ እትኸድዋ ምድሪ፡ ከምቲ ዘተስፈወኩም፡ ብዛዕባኹም ራዕድን ፍርህን ኬሕድር እዩ።+ 26 “ርኣዩ፡ ሎሚ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም አንብር ኣለኹ፦+ 27 እቲ በረኸት፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዩ፣+ 28 እቲ መርገም ድማ፡ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩምን+ ካብዛ ኣነ ሎሚ ኽትስዕብዋ ዝእዝዘኩም ዘለኹ መገዲ ኣልጊስኩም ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ እንተ ስዒብኩምን እዩ። 29 “የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ እትርስተያ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ እቲ በረኸት ኣብ ከረን ጌሪዚም፡ እቲ መርገም ድማ ኣብ ከረን ዔባል ኴንካ ኣውጅ።*+ 30 እቲ ኣኽራን እትስ ኣብቲ ኻልእ ሸነኽ ዮርዳኖስ፡ ብሸነኽ ምዕራብ፡ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ ዓራባ ዚነብሩ ከነኣናውያን፡ ኣብ መንጽር ጊልጋል፡ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ ደይኰነን ዘሎ፧+ 31 ናብታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድርስ ክትኣትዉን ክትርስተይዋን ኢኹም።+ ምስ ተረስተኹምዋን ምስ ነበርኩምላን፡ 32 እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘለኹ ዅሉ ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቕኩም ግበርዎ።+ 2 “ተመሊስና ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበለኒ፡ ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ናብ በረኻ ነቐልና፣+ ንኸረን ሰዒር ከኣ ብዙሕ መዓልትታት ዞርናዮ። 2 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ 3 ‘ነዚ ኸረን እዚ ምዛር ይኣኽለኩም። ናብ ሰሜን ገጽኩም ተመለሱ። 4 ነቶም ህዝቢ እውን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ “ብዶብ እቶም ኣብ ሰዒር ዚቕመጡ+ ኣሕዋትኩም ደቂ ኤሳው+ ክትሓልፉ ኢኹም፣ ንሳቶም ከኣ ኪፈርሁኹም እዮም፣+ ንስኻትኩም ድማ ኣዚኹም ተጠንቀቑ። 5 ከረን ሰዒር ንኤሳው ርስቱ ገይረ ስለ ዝሃብክዎ፡ ካብታ ምድሮም መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ እሞ፡ ኣይትጻብእዎም።*+ 6 ካባታቶም እትበልዕዎ እንጌራ ብገንዘብ ዓድጉ፡ ንእትሰትይዎ ማይ እውን ክፈሉ።+ 7 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እቲ ዝገበርካዮ ባሪኹካ ኣሎ። በዚ ዓብዪ በረኻ እዚ ምኻድካ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። እዘን 40 ዓመት እዚአን የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።”’+ 8 ብጥቓ እቶም ኣብ ሰዒር ዚቕመጡ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ድማ፡ ካብ መገዲ ዓራባ፡ ካብ ኤላትን ካብ ዔጽዮን-ገበርን+ ተኣሊና ሓለፍና።+ “ተመሊስና ኸኣ ብመገዲ በረኻ ሞኣብ ተጕዓዝና።+ 9 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ ‘ዓር ንደቂ ሎጥ+ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፡ ካብ ምድሩ ርስቲ ገይረ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ምስ ሞኣብ ኣይትጻባእ ወይ ኣይትዋጋእ። 10 (ኣቐዲሙ ኤሚም+ ዚብሃል ዓብይን ብዙሕን ከም ዓናቂም ነዊሕ ዝቝመቱን ህዝቢ ኣብኡ ይነብር ነበረ። 11 ረፋይም+ እውን ከም ዓናቂም+ ይቝጸሩ ነበሩ፣ ሞኣባውያን ከኣ ኤሚም ይብልዎም ነበሩ። 12 ኣቐዲሞም ሖራውያን+ ኣብ ሰዒር ይቕመጡ ነበሩ፣ ደቂ ኤሳው ግና፡ ከምቲ እስራኤል ነታ የሆዋ ብርግጽ ዚህቦም ምድሪ ርስቶም ዚገብርዋ፡ ኣልቀቕዎም፡ ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ቦታኦም ድማ ተቐመጡ።)+ 13 ሕጂ ተንሲእኩም፡ ስንጭሮ* ዘሬድ ተሳገሩ።’ ስንጭሮ* ዘሬድ ከኣ ተሳገርና።+ 14 እቲ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣትሒዝና፡ ስንጭሮ* ዘሬድ ክሳዕ እንሳገር ዝኸድናሉ ግዜ፡ ከምቲ የሆዋ ዝመሓለሎም፡ ብዘሎ ወለዶ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ክሳዕ ዚውዳእ፡ 38 ዓመት ኰነ።+ 15 ኢድ የሆዋ ድማ ክሳዕ ዚውድኡ፡ ካብ ማእከል እቲ ሰፈር ከተጥፍኦም ኣንጻሮም ነበረት።+ 16 “ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ካብ መንጎ እቲ ህዝቢ ሞይቶም ምስ ተወድኡ፡+ 17 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፦ 18 ‘ሎሚ ብሃገር ሞኣብ፡ ማለት ብዓር ክትሓልፍ ኢኻ። 19 ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፡ ካብ ምድሪ ዓሞናውያን ገለ እኳ ርስቲ ገይረ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ናብ መንጽር ዓሞናውያን ምስ ቀረብካ፡ ኣይተጨንቆም ወይ ኣይተለዓዕሎም።+ 20 እዚኣ እውን ምድሪ ረፋይም ትቝጸር ነበረት።+ (ኣቐዲሞም ረፋይም ኣብኣ ይነብሩ ነበሩ፣ ዓሞናውያን ከኣ ዛምዙሚም ይብልዎም ነበሩ። 21 ከም ዓናቂም ድማ ዓብይን ብዙሕን ነዊሕ ዝቝመቱን ህዝቢ ነበሩ።+ የሆዋ ግና ካብ ቅድሚ ዓሞናውያን ኣጥፍኦም፣ ንሳቶም ከኣ ሰጐጕዎም፡ ኣብ ቦታኦም ድማ ተቐመጡ። 22 ኣብ ሰዒር ንዚቕመጡ ደቂ ኤሳው+ እውን ከምኡ ገበረሎም፣ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኦም ምስ ኣጥፍኦም፡+ ንሳቶም ኣልቀቕዎም፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብ ቦታኦም ተቐመጡ። 23 ነቶም ክሳብ ጋዛ+ ኣብ ሰፈራት ተቐሚጦም ዝነበሩ ዓዊም እውን፡ ካብ ካፍቶር* ዝወጹ ካፍቶሪም+ ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ቦታኦም ድማ ተቐመጡ።) 24 “‘ተንስኡ፡ ተጐዓዙ፡ ስንጭሮ* ኣርኖን ከኣ ተሳገሩ።+ ርአ፡ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን እቲ ኣሞራዊ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።+ ነታ ምድሪ ኸኣ ምርስታያ ጀምር፡ ምስኡ ድማ ተዋጋእ። 25 ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘለዉ ወረኻ ዝሰምዑ ዅሎም ህዝብታት ብኣኻ ኸም ዚርዕዱን ከም ዚፈርሁን ክገብር እየ። ብሰንክኻ ኺርበሹን* ኬንቀጥቅጡን እዮም።’+ 26 “ሽዑ፡ ካብ በረኻ ቀደሞት+ ናብ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን፡ እዚ ዘረባ ሰላም ዝሓዙ ልኡኻት ለኣኽኩ፦+ 27 ‘ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ከየላገስኩ፡ ብመገዲ ጥራይ ክኸይድ እየ።+ 28 ዝሸጥካለይ እንጌራ ጥራይ እየ ዝበልዕ፡ ዝሸጥካለይ ማይ ጥራይ ድማ እየ ዝሰቲ። ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒ፣ 29 ናብታ የሆዋ ኣምላኽና ዚህበና ምድሪ ንምእታው፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገር ጥራይ ኣሕልፈኒ። ኣብ ሰዒር ዚቕመጡ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዚቕመጡ ሞኣባውያንን፡ ከምኡ እዮም ገይሮምለይ።’ 30 ሲሆን ንጉስ ሔስቦን ግና፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኸምዚ ሕጂ ዀይንዎ ዘሎ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኺህበካ፡+ መንፈሱ ኼትርርን ልቡ ኼሐንግድን ስለ ዝፈቐደ፡+ ኬሕልፈና ኣይፈተወን። 31 “የሆዋ ድማ፡ ‘ርአ፡ ንሲሆንን ንምድሩን ድሮ ኣሕሊፈ ኽህበካ ጀሚረ ኣለኹ። ንምድሩ ምርስታያ ጀምር’ በለኒ።+ 32 ሲሆን ምስ ህዝቡ ኣብ ያሃጽ ብውግእ ኪቀባበለና ምስ ወጸ፡+ 33 የሆዋ ኣምላኽና ንዕኡ ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሃበና፡ ንሕና ኸኣ ንዕኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ሰዓርናዮም። 34 በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ኵለን ከተማታቱ ሓዝና፣ ንዅለን ከተማታት፡ እንተላይ ንሰብኡትን ንኣንስትን ንቘልዑን ከኣ ኣጥፋእና። ሓደ እኳ ኣየትረፍናን።+ 35 ነተን ዝዘመትናየን ማል ጥራይ ምስቲ ኻብተን ዝሓዝናየን ከተማታት ዝማረኽናዮ ምርኮ ወሰድና። 36 ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር+ (እንተላይ ኣብ ስንጭሮ ዘላ ኸተማ)፡ ክሳብ ጊልዓድ፡ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነት ዋላ ሓንቲ ኸተማ ኣይነበረትን። የሆዋ ኣምላኽና ንዅለን ኣሕሊፉ ሃበና።+ 37 ግናኸ፡ ናብ ምድሪ ዓሞናውያን፡ ናብ ብዘሎ ገምገም ስንጭሮ* ያቦቅን+ ናብ ከተማታት ኣኽራንን፡ ወይ ናብቲ የሆዋ ኣምላኽና ዝኸልከለና ዘበለ ዅሉ ኣይቀረብካን።+ 26 “ኣብ መወዳእታ፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ተረስቲኻያ ኸኣ ኣብኣ ምስ ተቐመጥካ፡ 2 ካብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ ኻብ እትእክቦ በዅሪ ዅሉ ፍረ ምድሪ ውሰድ፣ ኣብ ከፈር ጌርካ ድማ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ኺድ።+ 3 ናብቲ በተን መዓልትታት እቲአን ዜገልግል ካህን ኬድካ፡ ‘ናብታ የሆዋ ንዓና ኺህበና ንኣቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ኸም ዝኣቶኹ፡ ሎሚ ንየሆዋ ኣምላኽካ አፍልጥ ኣለኹ’ በሎ።+ 4 “እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ የንብሮ። 5 ንስኻ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸምዚ በል፦ ‘ኣቦይ ኰብለል ዚብል* ኣራማዊ ነበረ፣+ ናብ ግብጺ ወሪዱ ድማ፡+ ቤተ ሰቡ ሒደት ከሎ ጓና ዀይኑ ኣብኣ ተቐመጠ።+ ኣብኣ ግና ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ዀነ።+ 6 ግብጻውያን ከኣ ገፍዑና፡ ጨቈኑና፡ ብርቱዕ ባርነት ድማ ጸዓኑና።+ 7 ንሕና ኸኣ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣእወና፣ የሆዋ ድማ ድምጽና ሰምዐ፡ ጸበባናን ሽግርናን ጭቈናናን እውን ረኣየ።+ 8 የሆዋ ኸኣ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን+ ብዜሸብር ግብርታትን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን+ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። 9 ናብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣምጽኣና፣ ነዛ ምድሪ እዚኣ፡ ነዛ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸኣ ሃበና።+ 10 ሕጂ ድማ፡ በዅሪ ፍረ እታ የሆዋ ዝሃበኒ ምድሪ ኣምጺአ ኣለኹ።’+ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኣንብሮ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስገድ። 11 በቲ የሆዋ ኣምላኽካ ንዓኻን ንቤተ ሰብካን ዝሃበካ ዅሉ ጽቡቕ፡ ንስኻ ምስ ሌዋውን ኣብ መንጎኻ ምስ ዚነብር ጓናን ክትሕጐስ ኢኻ።+ 12 “ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽር፡ ዕሽር+ ኵሉ እቶትካ ኣውጽኢካ ምስ ወዳእካ፡ ንሌዋውን ንጓናን ንዘኽታምን* ንመበለትን ሃቦም፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* በሊዖም ይጽገቡ።+ 13 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ከምዚ በል፦ ‘እቲ ቕዱስ ግደ ኻብ ቤተይ ኣውጺአ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ድማ ንሌዋውን ንጓናን ንዘኽታምን ንመበለትን ሂበ እየ።+ ትእዛዛትካ ኣይጠሓስኩን፡ ዕሽሽ እውን ኣይበልኩን። 14 ኣብ እዋን ሓዘነይ ካብኡ ኣይበላዕኩን፡ ርኹስ ከለኹ ኸኣ ካብኡ ኣይተንከኹን፡ ካብኡ እውን ንምዉት ኣይሃብኩን። ድምጺ የሆዋ ኣምላኸይ ሰሚዐ፡ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝካኒ እውን ገይረ እየ። 15 ካብቲ ቕዱስ ማሕደርካ፡ ካብ ሰማያት ኣንቈልቊልካ ጠምት፣ ንህዝብኻ እስራኤልን ነታ ኸምቲ ንኣቦታትና ዝመሓልካሎም+ ንዓና ዝሃብካና ምድርን፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡+ ባርኽ።’+ 16 “በዛ መዓልቲ እዚኣ የሆዋ ኣምላኽካ ነዚ ስርዓታትን ፍርድታትን ክትገብሮ ይእዝዘካ ኣሎ። ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ሓልዎን ግበሮን።+ 17 ብመገድታቱ ምስ እትመላለስ፡ ስርዓታቱን+ ትእዛዛቱን+ ፍርድታቱን+ ከኣ ምስ እትሕሉ፡ ድምጹ እውን ምስ እትሰምዕ፡ ንሱ ኣምላኽካ ኸም ዚኸውን፡ ሎሚ ቓል የሆዋ ረኺብካ ኣለኻ። 18 ከምቲ ዘተስፈወካ፡ ህዝቡ፡ ፍሉይ ጥሪቱ*+ ኸም እትኸውን፡ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ከም እትሕሉ፡ ሎሚ የሆዋ ቓልካ ረኺቡ ኣሎ። 19 ንየሆዋ ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ምስ እትኸውን፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ልዕሊ ዅሎም እቶም ዝገበሮም ኣህዛብ ልዕል ኬብለካ፡+ ውዳሰን ዝናን ክብርን እውን ኪህበካ እዩ።”+ 4 “ሕጂ ድማ፡ ኦ እስራኤል፡ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን+ ናብታ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዚህበኩም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉን ክትርስተይዋን፡ ነዚ ኽትገብሮ ዝምህረካ ዘለኹ ስርዓታትን ፍርድታትን ስማዕ። 2 ነዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ቓል ኣይትወስኹ፡ ካብኡ እውን ኣይትነክዩ።+ 3 “የሆዋ ብናይ በዓል ጴዖር ነገር ዝገበሮ፡ ኣዒንትኹም ርእየን እየን፣ የሆዋ ኣምላኽካ ንዅሎም እቶም ደድሕሪ በዓል ጴዖር ዝኸዱ ሰባት፡ ካብ ማእከልካ ኣጥፍኦም።+ 4 ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝለገብኩም ንስኻትኩም ግና፡ ኵላትኩም ሎሚ ብህይወት ኣለኹም። 5 ርኣዩ፡ ኣብታ እትርስተይዋ ምድሪ ምእንቲ ኽትሕልውዎ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ፡ ስርዓታትን ፍርድታትን ምሂረኩም ኣለኹ።+ 6 ነዚ ተጠንቂቕኩም ስዓብዎ፣+ ከመይሲ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ብዛዕባ ዅሉ እዚ ስርዓታት ዝሰምዑ ህዝብታት፡ ጥበብኩምን+ ኣእምሮኹምን+ ኬርኢ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ፡ ‘እዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ፡ ብዘይ ጥርጥር ጥበበኛን ኣእምሮ ዘለዎን ህዝቢ እዩ’ ኺብሉ እዮም።+ 7 ከምቲ የሆዋ ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና፡ ከምኡ ኣማልኽቱ ዚቐርብዎ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧+ 8 ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘለኹ ዅሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቕኑዕ ስርዓታትን ፍርድታትን ዘለዎኸ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧+ 9 “ሓንትስ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ነገራት ከይትርስዖ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ ተጠንቀቕ፡ ርእስኻ* እውን ሓሉ። ነዚ ኸኣ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ኣፍልጦም።+ 10 በታ ኣብ ሆሬብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ዝቘምካላ መዓልቲ፡ የሆዋ፡ ‘እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ብህይወት ኣብ ዚነብሩለን ኵለን መዓልትታት ንዓይ ምፍራህ ምእንቲ ኺምሃሩ፡+ ንደቆም ከኣ ምእንቲ ኺምህሩ፡+ ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም’+ በለኒ። 11 “ንስኻትኩም ድማ ቀረብኩም፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ደው በልኩም፣ እቲ ኸረን ድማ ክሳብ ሰማያት* ሓዊ ይነድድ ነበረ። ጸልማትን ደበናን ብርቱዕ ድነን እውን ነበረ።+ 12 የሆዋ ኸኣ ካብቲ ሓዊ ተዛረበኩም።+ ድምጺ ዘረባ ድማ ሰማዕኩም፣ ግናኸ፡ ድምጺ ጥራይ እምበር፡+ መልክዕሲ ኣይረኣኹምን።+ 13 ንሱ ኸኣ ኪዳኑ፡+ እተን ክትሕልውወን ዝኣዘዘኩም ዓሰርተ ትእዛዛት*+ ነገረኩም። ንዓታተን ድማ ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጸሓፈን።+ 14 በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ንዓይ፡ ኣብታ ኽትርስተይዋ እትኣትውዋ ምድሪ እትሕልውዎ ስርዓታትን ፍርድታትን ክምህረኩም ኣዘዘኒ። 15 “ስለዚ፡ በታ የሆዋ ኣብ ሆሬብ ካብ ማእከል ሓዊ እተዛረበኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ ስለ ዘይረኣኹም፡ ርእስኹም* ሓልዉ፣ 16 ማለት፡ ንዓኻትኩም ጽሩብ ምስሊ ብምግባር ከይትበላሸዉ፡ መልክዕ ዝዀነ ምስሊ፡ ምስሊ ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ፡+ 17 ምስሊ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝዀነ እንስሳ ወይ ምስሊ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዝዀነት ዑፍ፡+ 18 ምስሊ ዝዀነ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል፡ ወይ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማያት ዘሎ ዝዀነ ዓሳ ኣይትግበሩ።+ 19 ኣዒንትኻ ናብ ሰማያት ኣልዒልካ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኰታስ ኵሎም ሰራዊት ሰማያት ምስ ረኣኻ፡ ኣይትስሓት፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተገልግሎም እውን።+ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ዝሃቦም እዮም። 20 ንዓኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘለኹምዎ፡ ጥሪቱ* ዝዀነ ህዝቢ ኽትኰንዎ ኢሉ፡+ የሆዋ ኻብ እቶን ሓጺን፡ ካብ ግብጺ፡ ወሲዱ ኣውጺኡኩም እዩ። 21 “የሆዋ ድማ ብሰርኹም ተቘጥዓኒ፣+ ኣነ ዮርዳኖስ ከይሳገር፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ከይኣቱ መሓለ።+ 22 ኣነስ ዮርዳኖስ ከይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ፣+ ንስኻትኩም ግና ክትሳገሩን ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ኽትርስተይዋን ኢኹም። 23 እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡+ ንርእስኹም ድማ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ ጽሩብ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።+ 24 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ዚባላዕ ሓዊ፡+ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።+ 25 “ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካ፡ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ነዊሕ ግዜ ምስ ተቐመጥኩም፡ ዝዀነ ዓይነት ጽሩብ ምስሊ ብምግባርኩም ድማ ምስ እትበላሸዉ፡+ ከተዀርዮ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ እከይ ምስ እትገብር፡+ 26 ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትርስተይዋ ምድሪ ብርግጽ ቀልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ ሰማያትን ምድርን ንምስክር ጸዊዐ ኣለኹ። ፈጺምኩም ክትጠፍኡ ኢኹም እምበር፡ ኣብኣ ነዊሕ ኣይክትነብሩን ኢኹም።+ 27 የሆዋ ናብ መንጎ ህዝብታት ፋሕ ኬብለኩም እዩ፣+ ኣብቶም የሆዋ ናብኦም ዚሰጕጐኩም ኣህዛብ፡ ሒደት ካባኻትኩም ጥራይ ኪተርፉ እዮም።+ 28 ኣብኡ ኸኣ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ኺርእዩን ኪሰምዑን ኪበልዑን ኬጫንዉን ዘይክእሉ ኣማልኽቲ ዕንጨይትን እምንን ከተገልግሉ ኢኹም።+ 29 “ካብኡ ንየሆዋ ኣምላኽካ እንተ ደሊኹምዎ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* እንተ ሓቲትካሉ፡ ብርግጽ ክትረኽቦ ኢኻ።+ 30 ኣመና ምስ ጨነቐካን እዚ ዅሉ ምስ በጽሓካን፡ ኣብ ዳሕራይ ግዜ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትምለስ፡ ድምጹ ኸኣ ክትሰምዕ ኢኻ።+ 31 የሆዋ ኣምላኽካስ መሓሪ ኣምላኽ እዩ።+ ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኬጥፍኣካን፡ ወይ ነቲ ንኣቦታትካ ዝመሓሎ ኺዳን ኣይኪርስዖን እዩ።+ 32 “ካብታ ኣምላኽ ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ቐዳሞት መዓልትታት ሕተት፣ ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ክሳብ እቲ ሓደ ወሰን ሰማያት ድለ። ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ኰይኑዶ ይፈልጥ ወይ ነዚ ዚመስል ተሰሚዑዶ ይፈልጥ፧+ 33 ከምዚ ንስኻ ባዕልኻ ዝሰማዕካዮ፡ ኣምላኽ ካብ ሓዊ ኺዛረብ ድምጹ ሰሚዑስ፡ ብህይወት ዚነብር ካልእ ህዝቢዶ ኣሎ፧+ 34 ወይ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገበሮ፡ ብፍርድታትን* ብትእምርትታትን ብተኣምራትን+ ብውግእን+ ብሓያል ኢድን+ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዜሸብር ግብርታትን+ ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንዕኡ ዚኸውን ህዝቢ ኺወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ ኣሎ፧ 35 የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንዓኻ እዚ ተራእየካ፣+ ብዘይካኡ ኻልእ የልቦን።+ 36 ምእንቲ ኺእርመካ፡ ካብ ሰማያት ድምጹ ኣስምዓካ፣ ኣብ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ሓዉ ኣርኣየካ፣ ቃላቱ ድማ ካብቲ ሓዊ ሰማዕካ።+ 37 “ንኣቦታትካ ስለ ዝፈተዎም፡ ብድሕሪኦም ከኣ ንዘርኦም ስለ ዝሓረየ፡+ ካብ ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ብዓብዪ ሓይሉ ወጻእካ። 38 ናብ ምድሮም ምእንቲ ኼእትወካን ርስቲ ገይሩ ኺህበካን ድማ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ካባኻ ዚዓብዩን ዚሕይሉን ኣህዛብ ካብ ቅድሜኻ ሰጐጎም።+ 39 እምበኣር፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድርን የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፍለጥ፡ ኣብ ልብኻ እውን ኣሕድሮ።+ ካልእ የልቦን።+ 40 ንዓኻን ብድሕሬኻ ኸኣ ንደቅኻን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ዘሎ ምድሪ ድማ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብር፡ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ስርዓታቱን ትእዛዛቱን ሓሉ።”+ 41 ሽዑ፡ ሙሴ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዮርዳኖስ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ።+ 42 ብዘይፍላጥ ንብጻዩ ዝቐተለ ዘበለ ቐታሊ፡ ኣቐዲሙ ኸኣ ጽልኢ እንተ ዘይነይርዎ፡+ ብህይወት ኪነብር፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ምእንቲ ኺሃድም፡ ከምኡ ገበረ።+ 43 እተን ከተማታት ድማ፡ ንሮቤላውያን እታ ኣብ በረኻ ኣብ ከበሳ እትርከብ ቤጸር፡+ ንጋዳውያን እታ ኣብ ጊልዓድ እትርከብ ራሞት፡+ ንምናስያውያን ከኣ እታ ኣብ ባሳን እትርከብ ጎላን+ እየን።+ 44 እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ+ እዚ እዩ። 45 እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ሙሴ ዝሃቦም መዘኻኸሪታትን ስርዓታትን ፍርድታትን እዚ እዩ።+ 46 ነዚ ድማ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ስንጭሮ፡+ ኣብ ምድሪ እቲ ሙሴን እስራኤላውያንን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዝሰዓርዎ+ ኣብ ሔስቦን ዚቕመጥ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ሃቦም።+ 47 ምድሩን ምድሪ ዖግ+ ንጉስ ባሳንን፡ እቶም ኣብ ዞባ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት፡ ከኣ ተረስተዩ፣ 48 ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር+ ክሳብ ከረን ሲዮን፡ ማለት ሄርሞን፡+ 49 ኵሉ ኣብ ዞባ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ ዓራባ፡ ክሳብ እቲ ኣብ እግሪ ቝልቍለት ጲስጋ ዘሎ ባሕሪ ዓራባ* ተረስተዩ።+ 16 “የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ* ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡+ ወርሒ ኣቢብ ሓሉ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ድማ ፋስጋ ኣብዕል።+ 2 ኣብታ የሆዋ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ጤለ በጊዕካን ካብ ከብትኻን+ መስዋእቲ ፋስጋ ሰውእ።+ 3 ምስኡ ብኹዕ ዘበለ ኣይትብላዕ፣+ ካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡+ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ፡ እንጌራ ጸበባ፡ ብላዕ። ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ከምኡ ግበር።+ 4 ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵላ ሃገርካ መባዅዕቲ ኣይረኸብ፡+ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንምሸታ እትስውኦ ስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።+ 5 መስዋእቲ ፋስጋ ኣብ ዝዀነት ካብተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታት ክትስውእ ኣይፍቀደልካን እዩ። 6 ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ደኣ፡ ኣብቲ ኻብ ግብጺ ዝወጻእካሉ ምዱብ ግዜ፡ ምሸት ጸሓይ ምስ ዓረበት፡+ መስዋእቲ ፋስጋ ሰውእ። 7 ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ+ ኣብሲልካ ብልዓዮ፣+ ንግሆ ኸኣ ናብ ድንኳናትካ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ። 8 ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብላዕ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍሉይ ኣኼባ ይኹን። ዕዮ ኣይትዕየ።+ 9 “ሸውዓተ ሰሙን ቍጸር። ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረላ እዋን፡ ሸውዓተ ሰሙን ክትቈጽር ጀምር።+ 10 ሽዑ፡ ከም መጠን እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝባረኸካ ጌርካ፡+ ካብ ኢድካ ብእትህቦ መስዋእቲ ፍታው፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል።+ 11 ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ፡+ ንስኻ ምስ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ምስ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ምስ ዘለዉ ጓናን ዘኽታምን* መበለትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ተሓጐስ። 12 ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፣+ ነዚ ስርዓታት እዚ ድማ ሓልዎን ግበሮን። 13 “ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቝ ዘይትኻን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ+ ኣብዕል። 14 ንስኻ ኸኣ ምስ ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ምስ ዘለዉ ሌዋውን ጓናን ዘኽታምን መበለትን ብበዓልካ ተሓጐስ።+ 15 የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ እቶትካን ኵሉ ተግባርካን ኪባርኸልካ፡+ ንስኻ ኸኣ ኣብታ የሆዋ ዚሓርያ ቦታ ኽትሕጐስ ጥራይ ኢኻ+ እሞ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ኣምላኽካ በዓል ኣብዕል።+ 16 “ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ፦ ኣብ በዓል ቅጫን+ በዓል ሰሙናትን+ በዓል ዳስን፣+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ። 17 ነፍሲ ወከፍ ዜምጽኦ መባእ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበካ በረኸት ይኹን።+ 18 “ኣብ ኵለን እተን የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ኸተማታት* ፈራዶን+ ኣሕሉቕን ሽም፣ ንሳቶም ከኣ ንህዝቢ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። 19 ፍትሒ ኣይተቕንን፡+ ኣይተዳሉ፡+ ወይ ጉቦ ኣይትቀበል፣ ጉቦስ ኣዒንቲ ጥበበኛታት የዕውር፡+ ዘረባ ጻድቃን ድማ የቕንን እዩ። 20 ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ነታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽትርስተያን፡ ፍትሒ፡ እወ፡ ፍትሒ ስዓብ።+ 21 “ጥቓ እቲ ንዓኻ እትሰርሖ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ዝዀነ ኦም ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኪኸውን ኣይትትከል። 22 “የሆዋ ኣምላኽካ ዚጸልኦ ሓወልቲ ኣምልኾ ኸኣ ንዓኻ ኣይተቑም።+ 6 “እቲ ናብታ እትርስተይዋ ምድሪ ምስ ተሳገርኩም ክትሕልውዎ ኢሉ የሆዋ ኣምላኽኩም ክምህረኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን እዚ እዩ፣ 2 እዚ ኸኣ ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ መዓልትታት ህይወትካ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህን እቲ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ሕግታቱን ትእዛዛቱን ምእንቲ ኽትሕሉን እሞ፡+ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ እዩ።+ 3 ኦ እስራኤል፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ዘተስፈወካ፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣዚኻ ምእንቲ ኽትበዝሕን፡ ስማዕ፡ ተጠንቂቕካ እውን ግበሮ። 4 “ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፦ የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ።+ 5 ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን*+ ብዅሉ ሓይልኻን*+ ኣፍቅሮ። 6 እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን፣ 7 ንደቅኻ ድማ ቅረጸሎም፡*+ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረብ።+ 8 ከም መዘከርታ ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ ግምባርካ* ድማ ከም ክታብ ይኹን።+ 9 ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሓፎ። 10 “የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ ንዓኻ ኺህበካ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡+ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታትን+ 11 ዘይሰራሕካዮ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን ዘይኰዓትካዮ ውቑር መዕቘሪታት ማይን ዘይተኸልካዮ ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን ከኣ ምስ ሃበካ፡ በሊዕካ ድማ ምስ ጸገብካ፡+ 12 ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ የሆዋ ኸይትርስዖ ተጠንቀቕ።+ 13 ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡+ ንዕኡ ኸኣ ኣገልግሎ፡+ ብስሙ እውን ምሓል።+ 14 ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ማለት ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ህዝብታት ኣይትስዓብ፣+ 15 እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽካስ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣምላኽካ ኣባኻ ኺነድድ፡+ ካብ ገጽ ምድሪ ድማ ኬጥፍኣካ እዩ።+ 16 “ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንኩምዎ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ኣይትፈትንዎ።+ 17 ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩምን እቲ ኽትሕልዎ ዝኣዘዘካ መዘኻኸሪታቱን ስርዓታቱን ኣጽኒዕኩም ሓልዉ። 18 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ግበር፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ጽቡቕ ኪዀነልካን ነታ የሆዋ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ጽብቕቲ ምድሪ ኽትኣትዋን ክትርስተያን ኢኻ፣+ 19 ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ኸኣ፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኺስጐጉ እዮም።+ 20 “ኣብ መጻኢ፡ ወድኻ፡ ‘እዚ የሆዋ ኣምላኽና ዝኣዘዘኩም መዘኻኸሪታትን ስርዓታትን ፍርድታትን እንታይ ማለት እዩ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ 21 ሽዑ ንወድኻ ኸምዚ በሎ፦ ‘ኣብ ግብጺ ንፈርኦን ባሮቱ ዄንና ነበርና፣ የሆዋ ግና ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና። 22 የሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ቤተ ሰቡን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዓበይትን መዕነውን ትእምርትታትን ተኣምራትን ይሰድድ ነበረ።+ 23 ናብዛ ንኣቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼምጽኣና ኸኣ፡ ካብኡ ኣውጽኣና።+ 24 የሆዋ ድማ ከምዚ ሎሚ ዘለናዮ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡+ ኵሉ እዚ ስርዓታት ክንገብሮ፡ ንየሆዋ ኣምላኽና ድማ ንናይ ሓዋሩ ጽቡቕና ኢልና ኽንፈርሆ ኣዘዘና።+ 25 ከምቲ ዝኣዘዘና፡ ንየሆዋ ኣምላኽና እዙዛት ኴንና* ዅሉ እዚ ትእዛዛት ተጠንቂቕና እንተ ሓሊና፡ ጽድቂ ኪዀነልና እዩ።’+ 25 “ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ ምስ ተላዕለ፡ ኣብ ቅድሚ ፈራዶ ይቕረቡ፡+ ንሳቶም ከኣ ነቲ ጻድቕ፡ ንጹህ፡ ነቲ እኩይ ድማ፡ በዳሊ ኢሎም ይፍረድዎም።+ 2 እቲ እኩይ መግረፍቲ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ፡+ እቲ ፈራዲ በጥ ኣቢሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ። ቍጽሪ እቲ መግረፍቲ ኸም መጠን እቲ እከዩ ይኹን። 3 ክሳዕ 40 ይግረፎ፡+ ካብኡ ግና ኣየብዝሕ። ካብኡ ዚበዝሕ መውቃዕቲ እንተ ገሪፍዎ፡ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኺሓስር እዩ። 4 “ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር።+ 5 “ኣሕዋት ብሓደ እንተ ተቐሚጦም እሞ፡ ሓዲኦም ወዲ ዘይብሉ እንተ ሞይቱ፡ ሰበይቲ እቲ ምዉት ካብቲ ቤተ ሰብ ወጻኢ ኣይትመርዖ። ሓሙታ ናብኣ ኸይዱ ሰበይቱ ገይሩ ይውሰዳ፡ ይውረሳ እውን።+ 6 ስም እቲ ምዉት ሓዉ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ፡+ እቲ እትወልዶ በዅሪ ስሙ ኬቐጽል እዩ።+ 7 “እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይደልዩ ኸኣ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብቶም ዓበይቲ ናብ ኣፍ ደገ ኸተማ ኸይዳ፡ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምዕቃብ ኣብዩ። ኪወርሰኒ ኣይደለየን’ ትበሎም። 8 እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ድማ፡ ናባታቶም ጸዊዖም ይዛረብዎ። ‘ክምርዓዋ ኣይደልን እየ’ ኢሉ እንተ ጸኒዑ፡ 9 ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውጽእ፡+ ኣብ ገጹ እውን ጡፍ ትበለሉ፡ ‘ቤት ሓዉ ንዘይሃንጽ ሰብኣይ ከምዚ ይገበር’ ድማ ትበል። 10 ድሕሪኡ፡ ስም ቤተ ሰቡ* ኣብ እስራኤል፡ ‘እንዳ ውጹእ ሳእኑ’ ይበሃል። 11 “ክልተ ሰብኡት ንሓድሕዶም እንተ ተባኢሶም፡ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸኣ፡ ንሰብኣያ ኻብቲ ዚወቕዖ ኸተድሕኖ ኢላ ጣልቃ እንተ ኣትያ፡ ኢዳ ዘርጊሓ ድማ ሕፍረቱ ዓትዒታ እንተ ሒዛ፡ 12 ኢዳ ቝረጻ። ኣይትደንግጸላ።* 13 “ኣብ ከረጺትካ ኽልተ ዓይነት ንመምዘኒ ዚኸውን እምኒ፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሃሉኻ።+ 14 ኣብ ቤትካ ኽልተ ዓይነት መስፈሪ፡* ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሃሉኻ።+ 15 ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብር፡+ ልክዕን ቅኑዕን መምዘኒ ይሃሉኻ፣ ልክዕን ቅኑዕን መስፈሪ ድማ ይሃሉኻ። 16 ከምኡ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ዓማጽስ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።+ 17 “እቲ ኻብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸለኹም ኣማሌቅ ዝገበረካ ዘክር፣+ 18 ደኺምካን ተሓሊልካን ከለኻ፡ ኣብ መገዲ ረኸበካ፡ ንዅሎም እቶም ብድሕሬኻ ዘርጋሕጋሕ ዝበሉ ኸኣ ኣጥቅዐ። ንኣምላኽ ኣይፈርሀን። 19 የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያ እታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ ዚነብሩ ጸላእትኻ ምስ ኣዕረፈካ፡+ ንመዘከርታ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማያት ደምስሶ፣+ ኣይትረስዕ። 33 ሙሴ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ቅድሚ ሞቱ ንእስራኤላውያን ዝመረቖም ምርቓ እዚ እዩ።+ 2 ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኻብ ሲና መጺኡ፡+ካብ ሰዒር ከኣ ኣብሪሁሎም። ካብ ኣኽራን ጳራን ብኽብሪ ኣብሪሁ፣+ምስኡ ድማ ኣእላፋት* ቅዱሳት፡+ኣብ የማናዩ ኸኣ ናቱ ተዋጋእቲ ነይሮም።+ 3 ንህዝቡ ኣፍቂርዎም፣+ኵሎም ቅዱሳቶም ኣብ ኢድካ እዮም።+ ኣብ ኣእጋርካ ኾፍ ኢሎም ነይሮም፣+ቃላትካ ድማ ሰሚዖም።+ 4 (ሙሴ ርስቲ ጉባኤ ያእቆብ ገይሩ፡ትእዛዝ፡ ሕጊ ሂቡና።)+ 5 ርእስታት ህዝቢ፡ምስ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ምስ ተኣከቡ፡+ንሱ ኣብ የሹሩን* ንጉስ ኰይኑ።+ 6 ሮቤል ይንበር፡ ኣይሙት፡+ሰቡ ኸኣ ሒደት ኣይኹኑ።”+ 7 ንይሁዳ ድማ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦+ “ኦ የሆዋ፡ ድምጺ ይሁዳ ስማዕ፡+ናብ ህዝቡ ኸኣ ምለሶ። ቀላጽሙ ነቲ ናቱ ተኸላኸለሉ፣*ካብ ተጻረርቱ ድማ ርድኣዮ።”+ 8 ብዛዕባ ሌዊ ኸምዚ በለ፦+ “ቱሚምካን ኡሪምካን+ ናይቲ ንዓኻ* እሙን ዝዀነ ሰብ፡+ናይቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንካዮ እዩ።+ ኣብ ማይ መሪባ ምስኡ ተባኢስካ፣+ 9 እቲ ንኣቦኡን ንኣዲኡን፡ ‘ቍሊሕ ኣይበልክዎምን’ ዝበለ ሰብ፡ንኣሕዋቱ እኳ ኣይፈለጦምን፡+ንደቁ እውን ዕሽሽ ኢልዎም። ከመይሲ፡ ቃልካ ሓልዮም፡ኪዳንካ ድማ ኣጽኒዖም።+ 10 ንያእቆብ ፍርድታትካ፡+ንእስራኤል ከኣ ሕግኻ ይምሃሩ።+ ዕጣን ጥዑም ጨና ኪዀነካ፡*+ምሉእ መስዋእቲ ድማ ኣብ መሰውኢኻ የቕርቡ።+ 11 ኦ የሆዋ፡ ሓይሉ ባርኽ፡ብግብሪ ኣእዳዉ ኸኣ ባህ ይበልካ። እቶም ዚጸልእዎ መሊሶም ከይትንስኡስ፡ኣእጋር* እቶም ዚትንስእዎ ሓምሽሽ።” 12 ብዛዕባ ብንያም ከምዚ በለ፦+ “እቲ ፍቑር የሆዋ ምስኡ ብደሓን ይንበር፡ምሉእ መዓልቲ ድማ የጽልሎ፡ኣብ መንጎ መንኵቡ ኸኣ ይንበር።” 13 ብዛዕባ ዮሴፍ ከምዚ በለ፦+ “ምድሩ ብየሆዋ ትባረኽ፡+ብናይ ሰማይ ሕሩይ ነገራት፡ብኣውልን ካብ ናይ ታሕቲ ዓይኒ ማያት ብዚፍልፍል ማያትን፡+ 14 ጸሓይ ብእተፍርዮ ሕሩይ ነገራት፡በቲ ናይ ወወርሒ ሕሩይ ምህርቲ፡+ 15 በቲ ኻብ ጥንታውያን ኣኽራን* ዚርከብ ሕሩይ ነገራት፡+በቲ ናይ ነባሪ ዅርባታት ሕሩይ ነገራት፡ 16 በቲ ናይ ምድሪ ሕሩይ ነገራትን በቲ ንዓኣ ዚመልኣን፡+ብተቐባልነት እቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ትባረኽ።+ እዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈልየ ይምጻእ።+ 17 ግርማኡ ኸም በዅሪ ብዕራይ፡ኣቕርንቱ ድማ ከም ኣቕርንቲ ጐባይ እዩ። ብእኡ ንህዝብታት፡ብሓባር ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኺደፍኦም* እዩ። እዚ ኣእላፋት ኤፍሬም፡+ኣሽሓት ምናሴ እውን እዩ።” 18 ብዛዕባ ዛብሎን ከምዚ በለ፦+ “ኣታ ዛብሎን፡ ብምውጻእካ ተሓጐስ፡ኣታ ይሳኮር ከኣ፡ ኣብ ድንኳናትካ።+ 19 ንህዝብታት ናብ ከረን ኪጽውዕዎም እዮም። ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ኺስውኡ እዮም። ንሳቶምሲ ብዙሕ ሃብቲ ባሕርታት፡ኣብ ሑጻ እተሓብአ መዝገብ ኪረኽቡ* እዮም።” 20 ብዛዕባ ጋድ ከምዚ በለ፦+ “ዶባት ጋድ ዜግፍሕ ብሩኽ እዩ።+ ቅልጽም፡ እወ፡ መንበስበስታ ኺሰላልዕ ተዳልዩ፡ኣብኡ ኸም ኣንበሳ በጥ ይብል። 21 ኣብኡ ግደ እቲ ሓጋግ ሕጊ ተሓዚኡ እዩ እሞ፡+ቀዳማይ ብጽሒት ንርእሱ ኺመርጽ እዩ።+ ርእስታት ህዝቢ ብሓባር ኪእከቡ እዮም። ምስ እስራኤል ኰይኑ ጽድቂ የሆዋንፍርድታቱን ኪፍጽም እዩ።” 22 ብዛዕባ ዳን ከምዚ በለ፦+ “ዳን ኵርኵር ኣንበሳ እዩ።+ ካብ ባሳን ዘሊሉ ኺወጽእ እዩ።”+ 23 ብዛዕባ ንፍታሌም ከምዚ በለ፦+ “ንፍታሌም ብተቐባልነት ዝጸገበ፡በረኸት የሆዋ ድማ ዝመልኦ እዩ። ምዕራብን ደቡብን ተረስተ።” 24 ብዛዕባ ኣሴር ከምዚ በለ፦+ “ኣሴር ብደቂ ብሩኽ እዩ። ካብ ኣሕዋቱ ሞገስ ይርከብ፡ኣእጋሩ ኸኣ ኣብ ዘይቲ የጥልቕ።* 25 መሸጐሪኻ ሓጺንን ነሓስን እዩ፡+ኵሉ መዓልትታትካ ድማ ክትቀስን ኢኻ።* 26 ኪረድኣካ ኢሉ ኣብ ሰማይ ዚውጣሕብግርማኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ደበናታት ዚውጣሕ፡+ከም ናይ የሹሩን+ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓደ እኳ የልቦን።+ 27 ካብ ጥንቲ፡ ኣምላኽ መዕቈቢ እዩ፡+ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ኣብ ትሕቴኻ እየን።+ ንጸላኢ ኻብ ቅድሜኻ ኺሰጕጎ፡+‘ኣጥፍኣዮም!’ ከኣ ኪብል እዩ።+ 28 እስራኤል ብደሓን ኪነብር፡ሰማያታ ኣውሊ ኣብ ዜንጠብጥበላምድሪ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ድማ፡+ዓይኒ ማይ ያእቆብ በይኑ ኪኸውን እዩ።+ 29 ኦ እስራኤል፡ ሕጉስ ኢኻ!+ ብየሆዋ ዝደሓነ+ከማኻ ዝኣመሰለ ህዝቢ መን ኣሎ፧+ ንሱ ዚከላኸል ዋልታኻን+ግርማዊ ሰይፍኻን እዩ። ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ሸቘጥቈጥ ኪብሉ፡+ንስኻ ድማ ኣብ ዝባኖም* ክትረግጽ ኢኻ።” 10 “በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ንዓኻ ጽረብ፣+ ናባይ ናብዚ ኸረን ድማ ደይብ፣ ንዓኻ እውን ታቦት* ዕንጨይቲ ስራሕ። 2 እተን ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበራ ቓላት ከኣ፡ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፍ እየ፣ ኣብቲ ታቦት ድማ ኣንብረን።’ 3 ካብ ዕንጨይቲ ሰራው ከኣ ታቦት ሰራሕኩ፣ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ድማ ጸረብኩ፣ ንኽልቲአን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ኸረን ደየብኩ።+ 4 የሆዋ ድማ እተን ብመዓልቲ ኣኼባ*+ ኣብቲ ኸረን ካብ ሓዊ ተዛሪቡኩም+ ዝነበረ ኸምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ትእዛዛት፡*+ ኣብተን ጽላት ጸሓፈን፣+ የሆዋ ድማ ንዓይ ሃበኒ። 5 ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ኻብቲ ኸረን ወረድኩ፣+ እተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝሰራሕክዎ ታቦት ኣንበርክወን፣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ። 6 “እስራኤላውያን ድማ ካብ ብኤሮት-ብነ-ያዓቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ከኣ ኣብኡ ሞተ፡ ተቐብረ እውን፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ፡ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ።+ 7 ካብኡ ኸኣ ናብ ጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጎዳ ድማ ናብታ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት* ዝዀነት ዮጥባታ ተጓዕዙ።+ 8 “በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ንነገድ ሌዊ፡ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኺጸውር፡+ ንዕኡ ኼገልግሎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐውም፡ ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዚገብሮ ድማ ብስሙ ኺባርኽ ኢሉ ፈለዮ።+ 9 ስለዚ እዩ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ ዘይብሉ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ንዕኡ ዝበሎ፡ የሆዋ ርስቱ እዩ።+ 10 ኣነ ኸኣ ከምቲ ኣብተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝገበርክዎ ኣብቲ ኸረን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸናሕኩ፣+ የሆዋ ድማ በታ ግዜ እቲኣ እውን ሰምዓኒ።+ የሆዋ ኼጥፍኣካ ኣይደለየን። 11 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ናብታ ንኣቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪርስተይዋንሲ፡ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኺድ፡ ኪነቕሉ ድማ ኣዳልዎም’ በለኒ።+ 12 “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ እስራኤል፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧+ እዚ ጥራይ እዩ ዚደሊ፦ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡+ ብዅሉ መገድታቱ ኽትመላለስ፡+ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ድማ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸተገልግሎ፡+ 13 ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛትን ሕግታትን የሆዋ ኽትሕሉ።+ 14 እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን* ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ የሆዋ ኣምላኽካ እዩ።+ 15 የሆዋ ግና ንኣቦታትካ ጥራይ እዩ ዝቐረቦምን ፍቕሩ ዝገለጸሎምን፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ድማ ንዓኻትኩም ንዘርኦም ካብ ኵሎም ህዝብታት ሓርዩኩም ኣሎ።+ 16 እምበኣር፡ ልብኹም ኣጽርዩ፡*+ ነቓጻት እውን ኣይትኹኑ።*+ 17 የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡+ ጐይታ ጐይተት፡ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኣምላኽ፡ ዘየዳሉን+ ጉቦ ዘይቅበልን እዩ። 18 ንሱ ንዘኽታምን* ንመበለትን ፍትሒ የውጽእ፡+ ንጓና ኸኣ የፍቅር፡+ እንጌራን ክዳንን እውን ይህቦ። 19 ንስኻትኩም እውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ጓና ኣፍቅሩ።+ 20 “ንየሆዋ ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንዕኡ ኣገልግሎ፡+ ናብኡ ኸኣ ልገብ፡ ብስሙ ድማ ምሓል። 21 ንዕኡ ወድሶ።+ እቲ ብኣዒንትኻ ዝረኣኻዮ ዅሉ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ንሱ እዩ።+ 22 ኣቦታትካ 70 ሰባት* ከለዉ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፣+ ሕጂ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዚሑካ ኣሎ።+ 14 “ንስኻትኩም ደቂ የሆዋ ኣምላኽኩም ኢኹም። ሰብነትኩም ኣይትብጥሑ፡+ ወይ ብዛዕባ ምዉት ግምባርኩም ላጺኹም ኣይተብርሑ።*+ 2 ንስኻስ ንየሆዋ ኣምላኽካ ቕዱስ ህዝቢ ኢኻ፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ህዝቡ፡ ፍሉይ ጥሪቱ* ኽትከውን ሓርዩካ ኣሎ።+ 3 “ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ።+ 4 እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦+ ብዕራይ፡ በጊዕ፡ ጤል፡ 5 እራብ፡ ሰስሓ፡ ሜዳቝ፡ ጤል በረኻ፡ ዓጋዜን፡ በጊዕ በረኻ፡ በጊዕ ከረን፣ 6 ሸዀናኡ እተሰንጠቐን ኣብ ክልተ እተመቕለን መጕስዕ ዚመልስን ዘበለ ብልዑ። 7 ግናኸ፡ መጕስዕ ካብ ዚመልሱ ወይ ሸዀናኦም ካብ እተሰንጠቐ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፦ ገመልን ማንቲለን ጊሐን መጕስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸዀናአን ግና ኣይተሰንጠቐን። ንሳተን ንዓኻትኩም ርኹሳት እየን።+ 8 ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ እተሰንጠቐ እዩ፡ መጕስዕ ግና ኣይትመልስን እያ። ንሳ ንዓኻትኩም ርኽስቲ እያ። ስጋአን ኣይትብልዑ፡ ገምበን እውን ኣይትተንክዩ። 9 “ኣብ ማያት ካብ ዚነብር ኵሉ እዚ ብልዑ፦ ክንፍን ቅርፍትን ዘለዎም ዘበለ ብልዑ።+ 10 ክንፍን ቅርፍትን ዘይብሎም ዘበሉ ግና ኣይትብልዑ። ንዓኻትኩም ርኹሳት እዮም። 11 “ንጽህቲ ዘበለት ዑፍ ብልዑ። 12 ግናኸ፡ ዘይብልዑ እዚኣቶም እዮም፦ ንስሪ፡ ወሓጥ ዓሳ፡ ጸሊም ጉማ፡+ 13 ጉዛ፡ ሊሎ፡ ሽላ በብዓይነቱ፡ 14 ኳዅ በብዓይነቱ፡ 15 ሰገን፡ ጕንጓ፡ ሮብራ፡ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ፡ 16 ንእሽቶ ጕንጓ፡ ነዊሕ ዝእዝኑ ጕንጓ፡ ደርሆ ማይ፡ 17 ሓሓት፡ ጉማ፡ ኮርሞራንት፡ 18 ራዛ፡ ሰብ ጸራድ በብዓይነቱ፡ ኩምብራዛ፡ መንካዕ። 19 ክንፊ ዘለዎ ዅሉ ሓሰኽሰኽ ዚብል ፍጡር* እውን ርኹስ እዩ፡ ኣይበላዕ። 20 ንጹህ ዘበለ በራሪ ፍጡር ብልዑ። 21 “ሕሉቕ ዘበለ ኣይትብልዑ።+ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ንዘሎ ጓና ሃቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ፡ ወይ ንጓና ይሸየጥ። ከመይሲ፡ ንስኻ ንየሆዋ ኣምላኽካ ቕዱስ ህዝቢ ኢኻ። “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።+ 22 “ካብቲ ዓመት ዓመት ዘርእኻ ኣብ ግራት ዜፍርዮ ዅሉ፡ ብርግጽ ዕሽር ሃብ።+ 23 ንየሆዋ ኣምላኽካ ምፍራህ ወትሩ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡+ ዕሽር እኽልኻን ጕዕሽ ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኸብትኻን ጤለ በጊዕካን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብታ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ ብላዕ።+ 24 “ግናኸ፡ መገዲ እንተ ነዊሑካ፡ እታ የሆዋ ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዚሓርያ ቦታ+ ኻባኻ ስለ ዝረሓቐት ድማ፡ ናብኣ ጾይርካ ኸተምጽኦ እንተ ዘይክኢልካ፡ (ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኺባርኸካ እዩ) 25 ሽዑ ናብ ገንዘብ ለውጦ፡ ነቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርያ ቦታ ኺድ። 26 በቲ ገንዘብ ድማ ዝበሃግካዮ* ዘበለ፡ ማለት ከብትን ኣባጊዕን ኣጣልን ወይንን ካልእ ኣልኮላዊ መስተን ባህ ዝበለካ* ዅሉን ዓድግ፣ ንስኻን ቤተ ሰብካን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብኡ ብልዓዮን ተሓጐስን።+ 27 ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን እሞ፡ ዕሽሽ ኣይትበሎ።+ 28 “ኣብ መወዳእታ ሰሰለስተ ዓመት፡ ኵሉ ዕሽር እቶት እታ ዓመት እቲኣ ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ኣክቦ።+ 29 የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እቲ እትገብሮ ምእንቲ ኺባርኸካ፡+ እቲ ምሳኻ ግደ ወይ ርስቲ ዘይብሉ ሌዋውን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ ዘለዉ ጓናን ዘኽታምን* መበለትን መጺኦም፡ ክሳዕ ዚጸግቡ ይብልዑ።+ 9 “ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ ኽትኣቱ፡+ ዓበይትን ክሳብ ሰማያት እተዓርዳን* ከተማታት ዘለዎም+ ካባኻ ዚዓብዩን ዚብርትዑን ኣህዛብ ከኣ ከተልቅቕ ኢኻ፣+ 2 ንዓብይን ንነዊሕን ህዝቢ፡ ነቶም እትፈልጦም፡ ብዛዕባኦም ድማ፡ ‘ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ኪብል ይኽእል፧’ ኪብሃል ዝሰማዕካ ደቂ ዓናቂም+ ከተልቅቖም ኢኻ። 3 እምበኣር፡ የሆዋ ኣምላኽካ ቐቅድሜኻ ኸም ዚሳገር ሎሚ ፍለጥ።+ ንሱ ዚባላዕ ሓዊ እዩ፣+ ኬጥፍኦም እውን እዩ። ከምቲ የሆዋ ዘተስፈወካ፡ ቀልጢፍካ ምእንቲ ኽትሰጕጎምን* ምእንቲ ኸተጥፍኦምን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኼምበርክኾም እዩ።+ 4 “የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐጎም፡ ብልብኻ፡ ‘ብጽድቀይ እዩ የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽርስተያ ዘእተወኒ’ ኣይትበል።+ የግዳስ፡ ብሰንኪ እከይ እዞም ኣህዛብ እዚኦም እዩ+ የሆዋ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጕጎም ዘሎ። 5 ብጽድቅኻ ወይ ብቕንዕና ልብኻ ኣይኰንካን ንምድሮም ክትርስተያ እትኣትዋ ዘለኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሰንኪ እከይ እዞም ኣህዛብ እዚኦምን+ እቲ የሆዋ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን+ ይስሃቅን+ ያእቆብን+ ዝመሓለሎም ቃል ምእንቲ ኺፍጽምን እዩ የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጕጎም ዘሎ። 6 ተሪር* ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እዚኣ ዜረስትየካ ዘሎ ስለ ጽድቅኻ ኢሉ ኸም ዘይኰነ ፍለጥ።+ 7 “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዘቘጣዕካዮ ዘክር፡+ ከቶ እውን ኣይትረስዕ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጻእካላ መዓልቲ ኣትሒዛካ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ካብ የሆዋ ዓሎኹም።+ 8 ኣብ ሆሬብ እውን ንየሆዋ ኣቘጣዕኩምዎ፣ የሆዋ ድማ ኣዝዩ ስለ እተቘጥዓኩም ኬጥፍኣኩም ደለየ።+ 9 ነተን ጽላት እምኒ፡ ማለት ጽላት እቲ የሆዋ ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን፡+ ክቕበል ናብቲ ኸረን ምስ ደየብኩ፡+ ኣብቲ ኸረን እንጌራ ኸይበላዕኩን ማይ ከይሰተኹን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸናሕኩ።+ 10 የሆዋ ኸኣ ብኣጻብዕ ኣምላኽ እተጻሕፈን ክልተ ጽላት እምኒ ሃበኒ፣ ኣብአን ድማ እተን በታ መዓልቲ ኣኼባ፡* የሆዋ ኣብቲ ኸረን ካብ ሓዊ እተዛረበኩም ኵለን ቃላት ነበራ።+ 11 ኣብ መወዳእታ እተን 40 መዓልትን 40 ለይትን፡ የሆዋ እተን ክልተ ጽላት እምኒ፡ ጽላት ኪዳን፡ ሃበኒ። 12 የሆዋ ኸኣ፡ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ተበላሽዩ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ቀልጢፍካ ኻብዚ ውረድ።+ ካብቲ ኺስዕብዎ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣልጊሶም ኣለዉ። ንዓታቶም ድማ ፍሱስ ምስሊ ገይሮም ኣለዉ’ በለኒ።+ 13 የሆዋ ኸኣ፡ ‘እዚ ህዝቢ እዚ ርእየዮ ኣለኹ፣ እንሆ ድማ፡ ተሪር* ህዝቢ እዩ።+ 14 ከጥፍኦምን ስሞም ካብ ትሕቲ ሰማያት ክድምስስን ሕደገኒ፣ ንዓኻ ድማ ካባታቶም ዚሕይልን ዚበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ ሕደገኒ’ በለኒ።+ 15 “እቲ ኸረን ብሓዊ እናነደደ ድማ፡ ተመሊሰ ኻብቲ ኸረን ወረድኩ፣+ እተን ክልተ ጽላት ኪዳን ከኣ ኣብ ክልቲአን ኢደይ ነበራ።+ 16 ምስ ጠመትኩ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከም ዝበደልኩም ረኣኹ። ንዓኻትኩም ፍሱስ ምራኽ ጌርኩም ነበርኩም። ካብቲ የሆዋ ኽትስዕብዎ ዝኣዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ኣልጊስኩም ነበርኩም።+ 17 ነተን ክልተ ጽላት ሒዘ፡ ብኽልቲአን ኢደይ ደርበኽወን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ድማ ሰበርክወን።+ 18 ሽዑ፡ ከምቲ ቐዳማይ፡ 40 መዓልትን 40 ለይትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተደፋእኩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እከይ ብምግባርኩምን ንዕኡ ብምቝጣዕኩምን ዝገበርኩምዎ ዅሉ ሓጢኣት፡ እንጌራ ኣይበላዕኩን፡ ማይ እውን ኣይሰተኹን።+ 19 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣዝዩ ተቘጢዑኩም ብምንባሩ፡ ኬጥፍኣኩም ደልዩ ስለ ዝነበረ፡ ፈሪሀ ነበርኩ።+ ግናኸ፡ የሆዋ በታ ግዜ እቲኣ እውን ሰምዓኒ።+ 20 “የሆዋ ድማ ንኣሮን ኣዝዩ ስለ እተቘጥዖ፡ ኬጥፍኦ ደለየ፣+ በታ ግዜ እቲኣ ኸኣ፡ ምእንቲ ኣሮን ተማህለልኩ። 21 ነቲ ብእኡ ሓጢኣት ዝገበርኩምሉ ምራኽ+ ወሲደ፡ ቀጥቀጥክዎ፡ ከም ደበቝበቛ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ኣድኪመ ጠሓንክዎ፣ ነቲ ደበቝበቛኡ ናብቲ ኻብቲ ኸረን ዚወርድ ውሒዝ ደርበኽዎ።+ 22 “ኣብ ታብዔራህን+ ኣብ ማሳን+ ኣብ ቂብሮት-ሃታኣባን+ እውን ንየሆዋ ኣቘጣዕኩምዎ። 23 የሆዋ፡ ‘ነታ ብርግጽ ዝህበኩም ምድሪ ደዪብኩም ተረስተይዋ’ ኢሉ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ምስ ሰደደኩም፡ ንስኻትኩም መሊስኩም ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኽኩም ዓሎኹም፡+ ብእኡ ኸኣ ኣይኣመንኩምን፡+ ኣይተኣዘዝኩምዎን እውን። 24 ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ኣትሒዝኩም፡ ካብ የሆዋ ዓሊኹም ኢኹም። 25 “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ 40 መዓልትን 40 ለይትን ተደፊአ ነበርኩ፣+ የሆዋ ኸም ዜጥፍኣኩም ተዛሪቡ ስለ ዝነበረስ፡ በዚ ኸምዚ ተደፋእኩ። 26 ናብ የሆዋ ድማ ከምዚ ኢለ ተማህለልኩ፦ ‘ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ኣይተጥፍኣዮ። ንሳቶም ብዕቤትካ እተበጆኻዮምን ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ዘውጻእካዮምን+ ጥሪትካ* እዮም።+ 27 ንገላዉኻ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዘክር።+ ናብ ንቕጽናን ናብ እከይን ናብ ሓጢኣትን እዚ ህዝቢ እዚ ኣይተቕልብ።+ 28 እንተ ዘይኰነስ፡ ህዝቢ እታ ኻብኣ ዝወጻእናላ ምድሪ፡ “የሆዋ ናብታ ዘተስፈዎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝጸልኦምን፡ ኣብ በረኻ ኪቐትሎም ኣውጺእዎም” ኪብሉ እዮም።+ 29 እዚኣቶምሲ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልጽምካን ዘውጻእካዮም+ ህዝብኻን ጥሪትካን* እውን እዮም።’+ 27 ሙሴ ድማ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ኰይኑ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ሓልዉ። 2 በታ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ንምእታው ንዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ፡ ዓበይቲ ኣእማን ኣቝም እሞ፡ ብኖራ ለቕልቆ።+ 3 ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትካ ዘተስፈወካ፡ ናብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምእንቲ ኽትኣቱ፡ ምስ ተሳገርካ፡ ኣብኡ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ጽሓፍ።+ 4 ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ከምዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፡ ነዚ ኣእማን እዚ ኣብ ከረን ዔባል+ ኣቝምዎ፡ ብኖራ ድማ ለቕልቕዎ። 5 ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብናውቲ ሓጺን ጌርካ ዘይተንከኻዮ መሰውኢ ኣእማን ስራሕ።+ 6 ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ ብዘይተወቕረ ኣእማን ስርሓዮ፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕርብ። 7 መስዋእቲ ሕብረት+ ሰዊእካ ድማ ኣብኡ ብላዕ፣+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ተሓጐስ።+ 8 ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ኣብቲ ኣእማን ብንጹር ጽሓፍ።”+ 9 ሙሴን እቶም ሌዋውያን ካህናትን ከኣ ንዅሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፦ “ኦ እስራኤል፡ ስቕ ኢልካ ስማዕ። በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ህዝቢ የሆዋ ኣምላኽካ ዄንካ ኣለኻ።+ 10 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ስማዕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛቱን+ ስርዓታቱን ድማ ግበር።” 11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ 12 “ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም እዞም ዚስዕቡ ነገዳት ነቲ ህዝቢ ንምብራኽ ኣብ ከረን ጌሪዚም+ ኪቘሙ እዮም፦ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን። 13 እዞም ዚስዕቡ ድማ ንምርጋም ኣብ ከረን ዔባል+ ኪቘሙ እዮም፦ ሮቤልን ጋድን ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን። 14 ሌዋውያን ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ንዅሉ ሰብ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ይበሉ፦+ 15 “‘የሆዋ ዚፍንፍኖ+ ብዕዮ ኣእዳው ኢደ ጥበበኛ* እተገብረ ጽሩብ ምስሊ+ ወይ ፍሱስ ምስሊ+ ዚገብርን ዚሓብኦን ሰብ ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’* ኢሉ ይመልስ።) 16 “‘ኣቦኡን ኣዲኡን ዚንዕቕ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 17 “‘ምልክት ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 18 “‘ንዕዉር መገዲ ዜጋግዮ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 19 “‘ንጓና፡ ወይ ንዘኽታም፡* ወይ ንመበለት+ ፍርዲ ዜቕንን+ ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 20 “‘ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ፡ ንኣቦኡ ኣሕሲርዎ እዩ+ እሞ፡* ርጉም ይኹን።’ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 21 “‘ምስ ዝዀነ እንስሳ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 22 “‘ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 23 “‘ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 24 “‘ንብጻዩ ተቓጽዩ ዚቐትል ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 25 “‘ንንጹህ ሰብ* ኪቐትል* ጉቦ ዚቕበል ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 26 “‘ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ንምግባር ዘይድግፍ ርጉም ይኹን።’+ (ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣሜን!’ ይበል።) 13 “ኣብ ማእከልካ ነብዪ ወይ ብሕልሚ ዚንበ እንተ ተንሲኡ እሞ፡ ምልክት ወይ ትእምርቲ እንተ ሂቡካ፡ 2 እቲ ዝበለካ ምልክት ወይ ትእምርቲ ኸኣ እንተ ተፈጺሙ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ‘ንኺድ እሞ፡ ነገልግሎም’ ድማ እንተ ኢሉካ፡ 3 ንየሆዋ ኣምላኽኩም ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን* እተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ+ የሆዋ ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፡+ ቃል እቲ ነብዪ ወይ እቲ ሓላሚ ኣይትስማዕ።+ 4 ደድሕሪ የሆዋ ኣምላኽኩም ደኣ ኺዱ፡ ንዕኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱ ኸኣ ሓልዉ፡ ድምጹ ድማ ስምዑ፡ ንዕኡ ኸኣ ኣገልግሉ፡ ናብኡ እውን ልገቡ።+ 5 እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላሚ እቲ ግና፡ ካብቲ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝኣዘዘካ መገዲ ኼልግሰካ ኢሉ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩምን ካብ ቤት ባርነት እተበጀወኩምን የሆዋ ኣምላኽኩም ክትዓልዉ ስለ ዘተባብዐ፡ ይቀተል።+ ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+ 6 “ሓውካ ወዲ ኣዴኻ፡ ወይ ወድኻ፡ ወይ ጓልካ፡ ወይ እተፍቅራ ሰበይትኻ፡ ወይ እትቐርቦ ፈታዊኻ፡* ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ‘ንኺድ፡ ነገልግል’ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓቢሉካ፡+ 7 ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ኣብ ጥቓኻ ወይ ኣብ ርሑቕካ ዚርከቡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ድማ እንተ ዀይኖም፡ 8 ሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ ኸኣ፣+ ኣይትደንግጸሉ፡ ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትሕብኣዮ እውን፣ 9 ብርግጽ ቅተሎ ደኣ።+ ንምቕታሉ፡ ቅድም ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ትኹን፣ ድሕሪኡ፡ ኢድ ኵሉ እቲ ህዝቢ።+ 10 ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ የሆዋ ኣምላኽካ ኼርሕቐካ ስለ ዝደለየ፡ ብዳርባ እምኒ ቕተሎ።+ 11 ሽዑ፡ ኵሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኣብ መንጎኻ ድማ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይኪደግሙን እዮም።+ 12 “ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን የሆዋ ኽትቅመጠለን ዚህበካ ኸተማታትካ፡ 13 ‘ዘይጠቕሙ ሰባት፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ “ንኺድ፡ ነገልግል” ኢሎም ንነበርቲ እታ ኸተማኦም ኬስሕቱ ኻብ መንጎኻ ወጺኦም’ ኪብሃል እንተ ሰሚዕካ፡ 14 ነቲ ነገር ኣጻርዮ፡ ኣጸቢቕካ ድማ መርምሮን ሕተተሉን፣+ እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ መንጎኻ ኸም እተገብረ ሓቂ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡ 15 ንነበርቲ እታ ኸተማ ብርግጽ ብሰይፊ ውቕዓዮም።+ ንዓኣን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን፡ እንተላይ ንማላ፡ ብሰይፊ ኣጥፍኣያ።+ 16 ኵሉ እቲ ምርኮኣ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣንድዳ፡ ምርኮኣ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽካ ምሉእ መስዋእቲ ኪኸውን እዩ። ንሓዋሩ ዅምራ ዑናታት ትኹን። ዳግም ኣይትሰራሕ። 17 የሆዋ ኻብቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኺምለስን ምእንቲ ኺምሕረካን ምእንቲ ኺርሕርሓልካን ከምቲ ንኣቦታትና ዝመሓለሎም ምእንቲ ኼብዝሓካን፡+ ኢድካ ኻብቲ ንጥፍኣት እተፈልየ* ገለ እኳ ኣይትውሰድ።+ 18 እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛቱ ብምሕላው ንየሆዋ ኣምላኽካ ተኣዘዞ፣* በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽካ ቕኑዕ ትገብር።+ 5 ሙሴ ድማ ንዅሎም እስራኤል ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኦ እስራኤል፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝነግረኩም ዘለኹ ስርዓታትን ፍርድታትን ስማዕ፡ ተምሃርዎን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎን ከኣ። 2 የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ምሳና ኺዳን ኣተወ።+ 3 የሆዋ፡ እዚ ኺዳን እዚ ዝኣተወ፡ ምሳና፡ ሎሚ ኣብዚ ብህይወት ምስ ዘለና ዅላትና ደኣ እምበር፡ ምስ ኣቦታትና ኣይኰነን። 4 የሆዋ ኣብቲ ኸረን ካብ ሓዊ ገጽ ንገጽ ተዛረበኩም።+ 5 በታ ግዜ እቲኣ፡ ንስኻትኩም በቲ ሓዊ ስለ ዝፈራህኩምን+ ናብቲ ኸረን ስለ ዘይደየብኩምን፡ ኣነ ቓል የሆዋ ኸመሓላልፈልኩም ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎኹምን ደው ኢለ ነበርኩ።+ ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ 6 “‘ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+ 7 ብዘይካይ* ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።+ 8 “‘ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ካብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ማያት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ጽሩብ ምስልን+ ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር። 9 ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።+ ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ንበይነይ ተወፋይነት ዝደሊ፡+ ንዚጸልኡኒ ስሕተት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዝቐጽዕ ኣምላኽ እየ።+ 10 ንዜፍቅሩንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ወለዶ ብተኣማንነት ዘፍቅር* እየ። 11 “‘የሆዋ ስሙ ብኸንቱ ንዜልዕል ከይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡+ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።+ 12 “‘ንመዓልቲ ሰንበት፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ቅድስቲ ጌርካ ሓልዋ።+ 13 ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ዅሉ ዕዮኻን ተግባርካን ግበር፣+ 14 እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ሰንበት እያ።+ ብእኣ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየ፣+ ግዙእካን ግዝእትኻን ከማኻ ምእንቲ ኺዓርፉስ፡+ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን እንስሳ ዘቤትካን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ዘሎ ጓናን እውን ከምኡ።+ 15 ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዘውጽኣካ ዘክር።+ ስለዚ እዩ የሆዋ ኣምላኽካ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ ዝኣዘዘካ። 16 “‘ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካን፡+ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።+ 17 “‘ኣይትቕተል።+ 18 “‘ኣይትዘሙ እውን።+ 19 “‘ኣይትስረቕ እውን።+ 20 “‘ኣብ ልዕሊ ብጻይካ እውን ብሓሶት ኣይትመስክር።+ 21 “‘ሰበይቲ ብጻይካ እውን ኣይትተምነ።+ ቤት ብጻይካ ዀነ፡ ግራቱ ዀነ፡ ግዙኡ ዀነ፡ ግዝእቱ ዀነት፡ ብዕራዩ ዀነ፡ ኣድጉ ዀነ፡ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ኣይትተምነ።’+ 22 “የሆዋ ነዘን ትእዛዛት* እዚአን ኣብቲ ኸረን ካብ ሓውን ደበናን ብርቱዕ ድነን ዓው ብዝበለ ድምጺ ንዅሉ ጉባኤኹም ተዛረበ፡+ ካልእ ድማ ኣይወሰኸን፣ ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጽሒፉ ኸኣ ንዓይ ሃበኒ።+ 23 “እቲ ኸረን ብሓዊ ኺነድድ ከሎ፡ ካብቲ ጸልማት ድምጺ ምስ ሰማዕኩም ግና፡+ ኵሎም ርእስታት ነገዳትኩምን ዓበይትኹምን ናባይ ቀረቡ። 24 ከምዚ ድማ በልኩም፦ ‘እንሆ፡ የሆዋ ኣምላኽና ኽብሩን ዕቤቱን ኣርእዩና፡ ድምጹ እውን ካብ ሓዊ ሰሚዕና ኢና።+ ኣምላኽ ምስ ሰብ ተዛሪቡስ፡ ሰብ ብህይወት ኪነብር ከም ዚኽእል ሎሚ ርኢና።+ 25 ሕጂ ድማ እዚ ዓብዪ ሓዊ እዚ ኺበልዓና ይኽእል እዩ እሞ፡ ስለምንታይ እንመውት፧ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰሚዕና፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና። 26 ካብ ኵሉ ስጋኸ* ኸማና ድምጺ እቲ ህያው ኣምላኽ ካብ ሓዊ ኺዛረብ ሰሚዑስ፡ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ፧ 27 ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚብሎ ኽትሰምዕ ንስኻ ባዕልኻ ቕረብ፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚብለካ ድማ ትነግረና፡ ንሕና እውን ክንሰምዖን ክንገብሮን ኢና።’+ 28 “የሆዋ ኸኣ ነቲ እተዛረብኩምኒ ዘረባ ሰምዐ፣ የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ ‘እቲ እዚ ህዝቢ እዚ እተዛረበካ ዘረባ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ኵሉ እቲ እተዛረብዎ ጽቡቕ እዩ።+ 29 ንዓታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነሎም፡+ ኪፈርሁንን+ ኵሉ ትእዛዛተይ ኪሕልዉንሲ፡+ ኣየ፡ ወትሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዚህልዎም! 30 ኪድ እሞ፡ “ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ” በሎም። 31 ንስኻ ግና ኣብዚ ምሳይ ጽናሕ፣ ኣነ ድማ ኵሉ እቲ እትምህሮምን ኣብታ ኣነ ኺርስተይዋ ዝህቦም ምድሪ ዚሕልውዎን ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን ክነግረካ እየ።’ 32 ሕጂ ድማ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ተጠንቂቕኩም ግበሩ።+ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግሱ።+ 33 ኣብታ እትርስተይዋ ምድሪ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩን ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልኩምን መዓልትታትኩም ምእንቲ ኺነውሓን፡+ ብዅላ እታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም መገዲ ተመላለሱ።+ 21 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ ኣብ መሮር እተቐትለ ሰብ እንተ ተረኺቡ፡ መን ከም ዝቐተሎ ድማ እንተ ዘይተፈሊጡ፡ 2 ዓበይትኻን ፈራዶኻን ይውጽኡ፡+ ካብቲ ሬሳ ናብተን ኣብ ዙርያኡ ዘለዋ ኸተማታት ይለክዑ። 3 ሽዑ፡ ዓበይቲ እታ ናብቲ ሬሳ ዝቐረበት ከተማ፡ ካብ ከብቲ፡ ኣርዑት ዘይሰሓበትን ዘይዓየየትን ኣርሒ ይውሰዱ፣ 4 እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኸኣ ነታ ኣርሒ ወሓዚ ማይ ናብ ዘለዎ ዘይተሓርሰን ዘይተዘርአን ስንጭሮ* የውርድዋ፣ ኣብቲ ስንጭሮ ድማ ነታ ኣርሒ ኽሳዳ ይስበርዋ።+ 5 “ሌዋውያን ካህናት ከኣ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኼገልግልዎን+ ብስም የሆዋ ኺባርኹን+ ሓርይዎም እዩ እሞ፡ ይቕረቡ። መውቃዕቲ ዘለዎ ዅሉ ባእሲ ብኸመይ ከም ዚፍታሕ ድማ ይንገሩ።+ 6 ናብቲ ሬሳ ዝቐረቡ ዅሎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ስንጭሮ ኽሳዳ እተሰብረት ኣርሒ ይሕጸቡ፣+ 7 ከምዚ ድማ ይበሉ፦ ‘ኣእዳውና ነዚ ደም እዚ ኣየፍሰሳኦን፡ ኣዒንትና እውን ኪፈስስ ከሎ ኣይረኣያን። 8 ኦ የሆዋ፡ ነቲ እተበጆኻዮ ህዝብኻ እስራኤል እዚ ኣይትሓዘሉ፡+ ኣብ መንጎ ህዝብኻ እስራኤል ድማ ዕዳ ደም ኣይትቝጸር።’+ እቲ ዕዳ ደም ከኣ ኣይተሓዘሎም። 9 በዚ ኸምዚ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ብምግባር፡ ዕዳ ንጹህ ደም ካብ ማእከልካ ተርሕቕ። 10 “ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ እንተ ኼድካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ እንተ ሂቡካን እንተ ማሪኽካዮምን፡+ 11 ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት ከኣ መልክዐኛ ሰበይቲ እንተ ርኢኻ እሞ እንተ ስሒባትካ፡ ሰበይትኻ ኽትገብራ ድማ እንተ ደሊኻ፡ 12 ናብ ቤትካ ኣእትዋ። ርእሳ ትላጺ፡ ጽፍራ ኸኣ ትቝረጽ፡ 13 ነቲ ኽዳን ምርኮኣ ድማ ትቐንጥጥ፡ ኣብ ቤትካ እውን ትቀመጥ። ንኣቦኣን ንኣዲኣን ከኣ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎም፣+ ድሕሪኡ ድማ ናብኣ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ፣ ንስኻ ሰብኣያ ኹን፡ ንሳ ኸኣ ሰበይትኻ ትኹን። 14 ባህ እንተ ዘይኢላትካ ድማ፡ ናብ ዝደለየቶ* ስደዳ።+ ግናኸ፡ ኣዋሪድካያ ኢኻ እሞ፡ ብገንዘብ ኣይትሽጣ ወይ ኣይትጨክነላ። 15 “ሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣልየናኦ፡ ንሓንቲ ድማ ካብታ ሓንቲ ኣብሊጹ እንተ ኣፍቂርዋ፡* ክልቲአን ድማ ኣወዳት እንተ ወሊደናሉ፡ እቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ዘይፍቕርቲ እንተ ዀይኑ፡+ 16 ርስቱ ንደቁ ኺህቦም ከሎ፡ ወዲ እታ ፍቕርቲ ኸም በዅሪ ገይሩ፡ ካብቲ በዅሪ ዝዀነ ወዲ እታ ዘይፍቕርቲ ኬቐድሞ የብሉን። 17 ነቲ ወዲ እታ ዘይፍቕርቲ፡ ካብ ኵሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃብ በዅሪ ምዃኑ የፍልጥ፣ ንሱስ መጀመርታ ስብእነቱ እዩ። ብዅርና ንዕኡ እዩ ዚግብኦ።+ 18 “ሓደ ሰብ ነቓጽን ዓላውን ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዘይእዘዝን ወዲ እንተ ኣልይዎ፡+ ኪእርምዎ ፈቲኖም ከኣ እንተ ዘይሰሚዕዎም፡+ 19 ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ፡ ናብ ኣፍ ደገ ኸተማኡ የምጽእዎ፣ 20 ነቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ድማ፡ ‘እዚ ወድና እዚ ነቓጽን ዓላውን እዩ፡ ኣይእዘዘናን እውን እዩ። ህሩፍን+ ሰኽራምን+ ከኣ እዩ’ ይበልዎም። 21 ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ፣ ኵሉ እስራኤል ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።+ 22 “ሰብ ሞት ዜፍርድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ እሞ እንተ ተቐቲሉ፡+ ኣብ ጕንዲ ኸኣ እንተ ሰቒልካዮ፡+ 23 ሬሳኡ በታ መዓልቲ እቲኣ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ጕንዲ ኣይሕደር።+ እቲ እተሰቕለስ ብኣምላኽ እተረግመ እዩ፣+ ነታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ድማ፡ ኣይተርክሳ።+ 15 “ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት ሕድገት ግበር።+ 2 እቲ ሕድገት በዚ ኸምዚ ይገበር፦ ኵሉ ኣለቃሒ ንብጻዩ፡ እቲ ዘለቅሖ ዕዳ ይሕደገሉ። ምእንቲ የሆዋ ተባሂሉ ሕድገት ተኣዊጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩ ወይ ሓዉ ኽፍሊት ኣይሕተት።+ 3 ካብ ጓና ኽፍሊት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፣+ ንሓውካ እትእውዶ ዘበለ ግና ሕደገሉ። 4 ግናኸ፡ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ የሆዋ ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡+ ኣብ መንጎኻ ሓደ እኳ ኣይድከ፣ 5 ሓንትስ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ ተኣዘዝ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ከኣ ተጠንቂቕካ ሓሉ።+ 6 ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ፡ ንብዙሓት ኣህዛብ ድማ ከተለቅሕ* ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይክትልቃሕን ኢኻ፣+ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይኪገዝኡኻን እዮም።+ 7 “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ሓውካ እንተ ደኽዩ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይተትርረሉ፡ ኢድካ እውን ኣይትጨብጠሉ።+ 8 ኢድካስ ብልግሲ ደኣ ኽፈተሉ፡+ ዜድልዮ ወይ ዚጐድሎ ዘበለ ኣለቅሓዮ።* 9 ብልብኻ፡ ‘እታ ሻውዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ ኣላ’ ኢልካ ኽፉእ ከይትሓስብ እሞ፡+ ንድኻ ሓውካ ልግስኻ ኸይትኽልክሎን ከይሃብካዮ ኸይትተርፍን ተጠንቀቕ። ንሱ ናብ የሆዋ እንተ ጠሪዑልካ፡ ሓጢኣት ኪዀነካ እዩ።+ 10 የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ ዕዮኻን ኵሉ ተግባርካን ዚባርኸልካ ስለዚ እዩ እሞ፡ ብልግሲ ሃቦ+ እምበር፡ ክትህብ ከለኻ* ነፋግ ኣይትኹን።+ 11 ኣብታ ምድርስ ወትሩ ድኻታት ኪህልዉ እዮም።+ ስለዚ እየ፡ ‘ነቲ ኣብ ምድርኻ ዘሎ ውጹዕካን ድኻ ሓውካን ብልግሲ ኢድካ ኽፈተሉ’ ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ።+ 12 “ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ፡ እብራዊ ወይ እብራዊት፡ ናባኻ እንተ ተሸይጡ፡ ሽዱሽተ ዓመት ከኣ እንተ ተገዚኡካ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ ኣውጽኣዮ።+ 13 ሓራ ኸተውጽኦ ኸለኻ ድማ፡ ጥራይ ኢዱ ኣይትስደዶ። 14 ካብ መጓሰኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቝ ዘይትኻን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ብልግሲ ሃቦ። ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝባረኸካ፡ ከምኡ ሃቦ። 15 ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ከም እተበጀወካ ዘክር። ስለዚ እየ ሎሚ እዚ ኽትገብር ዝእዝዘካ ዘለኹ። 16 “ግናኸ፡ ምሳኻ ኸሎ ስለ እተሓጐሰ፡ ንዓኻን ንቤተ ሰብካን ብምፍታዉ፡ ‘ካባኻ ኣይወጽእን እየ’ እንተ ኢሉካ፡+ 17 መስፈ ውሰድ እሞ፡ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኵሎ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ድማ ባርያኻ ይኹን። ንግዝእትኻ እውን ከምኡ ግበራ። 18 ሓራ ኸተውጽኦ ኸለኻ እሞ ኺሓድገካ ኸሎ፡ ኣይኽበድካ። እቲ ሽዱሽተ ዓመት ዘገልገለካስ ክንዲ ዕጽፊ ናይ ዕሱብ እዩ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ብዅሉ እትገብሮ ባሪኹካ እዩ። 19 “ካብ ከብትኻን ካብ ጤለ በጊዕካን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ንየሆዋ ኣምላኽካ ቐድሶ።+ ብበዅሪ ብዕራይካ ገለ እኳ ኣይትዕየ፡ ንበዅሪ ጤለ በጊዕካ እውን ኣይትቐምቅም። 20 ኣብታ የሆዋ ዝሓረያ ቦታ፡ ዓመት ዓመት ንስኻን ቤተ ሰብካን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽካ ብልዓዮ።+ 21 ግናኸ፡ ጕድለት እንተ ኣልይዎ፡—ሓንካስ ወይ ዕዉር እንተ ዀይኑ፡ ወይ ዝዀነ ኻልእ ክፉእ ጕድለት እንተ ኣልይዎ፡—ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ።+ 22 ኣብ ውሽጢ ኸተማታትካ* ብልዓዮ፡ ከምቲ ሰስሓ ወይ እራብ ዚብላዕ ገይሮም፡ ርኹስ ኰነ ንጹህ ሰብ፡ ክልቲኦም ይብልዕዎ።+ 23 ግናኸ፡ ደሙ ኣይትብላዕ፡+ ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ።+ 22 “ብዕራይ ሓውካ ወይ በጊዑ ጠፊኡ እንተ ርኢኻ፡ ናብ ሓውካ ምለሶ እምበር፡ ኰነ ኢልካ ዕሽሽ ኣይትበሎ።+ 2 ሓውካ ኣብ ጥቓኻ ዚነብር እንተ ዘይኰይኑ፡ ወይ እንተ ዘይፈሊጥካዮ ግና፡ ነቲ እንስሳ ናብ ቤትካ ኣክቦ፡ ሓውካ ኽሳዕ ዚደልዮ ምሳኻ ይጽናሕ። ሽዑ፡ ምለሰሉ።+ 3 ንሓውካ ዝጠፍኦ እሞ ዝረኸብካዮ ኣድጉን ክዳኑን ዝዀነ ነገርን ከምኡ ግበር። ዕሽሽ ኣይትበሎ። 4 “ኣድጊ ሓውካ ወይ ብዕራዩ ኣብ መገዲ ወዲቑ እንተ ርኢኻ፡ ነቲ እንስሳ ኼተንስኦ ሓግዞ+ እምበር፡ ኰነ ኢልካ ዕሽሽ ኣይትበሎ። 5 “ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፣ ሰብኣይ እውን ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን። ከምኡ ዚገብር ዘበለስ፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ። 6 “ኣብ መገዲ፡ ኣብ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ፡ ጨቓዊት ወይ እንቋቝሖ ዘለዎ ሰፈር ዑፍ እንተ ኣጓኒፉካ፡ እታ ኣደ ኸኣ ነቶም ጨቓዊታ ወይ ነቲ እንቋቝሖ ሓቚፋ እንተላ፡ ነታ ኣደ ምስ ጨቓዊታ ኣይትውሰዳ።+ 7 ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካን ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብርንሲ፡ ነታ ኣደ ስደዳ፡ ነተን ጨቓዊታ ግና ንዓኻ ኽትወስደን ትኽእል ኢኻ። 8 “ሓድሽ ቤት እንተ ሃኒጽካ፡ ሰብ ካብኣ ኸይጸድፍ እሞ፡ ንቤትካ ዕዳ ደም ከየምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ።+ 9 “ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ፍረ እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዀነ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንመቕደስ ኪኸውን እዩ። 10 “ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ።+ 11 “ካብ ጸምርን በፍታን ብሓደ እተገብረ ዓለባ ኣይትከደን።+ 12 “ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ እትኽደኖ ኽዳን ዝራር ግበር።+ 13 “ሓደ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ እንተ ወሲዱ፡ ናብኣ ምስ ኣተወ ግና፡ እንተ ጸሊእዋ፡* 14 ‘ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሲደያ፡ ናብኣ ምስ ኣቶኹ ግና፡ መርትዖ ድንግልና ኣይረኸብኩላን’ ኢሉ ኸኣ ነውሪ ኸም ዝገበረት ከሲሱ ስማ እንተ ኣኽፊኡ፡ 15 ኣቦን ኣደን እታ ጓል መርትዖ ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም፡ ናብ ዓበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ የቕርብዎ። 16 ኣቦ እታ ጓል ከኣ ነቶም ዓበይቲ ኸምዚ ይበሎም፦ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ጓለይ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ሂበዮ፣ ንሱ ግና ጸሊእዋስ፡* 17 “ጓልካ መርትዖ ድንግልና ኣይረኸብኩላን” ኢሉ ነውሪ ኸም ዝገበረት ይኸስሳ ኣሎ። መርትዖ ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ።’ ነቲ ኽዳን ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ። 18 ዓበይቲ+ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ።*+ 19 ንድንግል እስራኤል ስማ ስለ ዘኽፍአ፡ 100 ሲቃል* ብሩር የኽፍልዎ፡ ንኣቦ እታ ጓል ድማ ይሃብዎ፣+ ንሳ ኸኣ ሰበይቱ ትኹን። ምሉእ ዕድሚኡ ኺፈትሓ ኣይፍቀደሉን እዩ። 20 “ግናኸ፡ እቲ ኽሲ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ እታ ጓል ድማ መርትዖ ድንግልና እንተ ዘይተረኺብዋ፡ 21 ነታ ጓል ናብ ኣፍ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ+ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት+ ከኣ፡ ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+ 22 “ሰብኣይ ምስ ብዓልቲ ኻልእ ሰብኣይ ዝዀነት ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረኺቡ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ።+ ንኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ። 23 “ድንግል ንሰብኣይ እንተ ተሓጽያ፡ ካልእ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቂሱ፡ 24 እታ ጓል ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘዋረደ፡+ ንኽልቲኦም ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። 25 “ግናኸ፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኺብዋ እሞ፡ ሓይልዋ ምስኣ እንተ ደቂሱ፡ እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ በይኑ ይሙት፣ 26 ነታ ጓል ግና ገለ እኳ ኣይትግበራ። እታ ጓልሲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዚ ነገር እዚ፡ ከም ነገር እቲ ንብጻዩ ኣጥቂዑ ዚቐትሎ* ሰብ እዩ።+ 27 ከመይሲ፡ ኣብ መሮር እዩ ረኺብዋ፣ እታ ሕጽይቲ ጓል ከኣ ኣእውያስ፡ ዜናግፋ ኣይነበረን። 28 “ሓደ ሰብኣይ፡ ሓንቲ ዘይተሓጽየት ድንግል ጓል እንተ ረኺቡ፡ ሒዝዋ ድማ ምስኣ እንተ ደቂሱ እሞ፡ እንተ ተረኺቦም፡+ 29 እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ንኣቦ እታ ጓል 50 ሲቃል ብሩር ይሃቦ፡ ንሳ ኸኣ ሰበይቱ ትኹን።+ ኣዋሪድዋ እዩ እሞ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ኺፈትሓ ኣይፍቀደሉን እዩ። 30 “ሰብ፡ ንኣቦኡ ኸየሕስሮስ፡*+ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድ። 17 ንነገድ ምናሴ+ ኸኣ ዕጫ በጽሖ፣+ ንሱስ በዅሪ ዮሴፍ እዩ።+ ማኪር+ በዅሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድ ተዋጋኢ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንዕኡ ዀና።+ 2 ንዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም፡ ማለት ንደቂ ኣቢ-ዔዘርን+ ንደቂ ሔለቅን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳን ዕጫ በጽሖም። ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ እቶም ተባዕትዮ ኸከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።+ 3 ጸሎፍሓድ+ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ግና፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፣ ስማት ኣዋልዱ ኸኣ እዚ እዩ፦ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ። 4 ንሳተን ድማ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን+ ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹማምንትን ቀሪበን፡ “የሆዋ ንሙሴ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ።+ ከምቲ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።+ 5 ንምናሴ ድማ ብዘይካ እቲ ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዝነበረ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ብጽሒት እውን በጽሖ፣+ 6 ከመይሲ፡ ኣዋልድ ምናሴ ምስ ኣወዳቱ ርስቲ ተረስተያ፣ ምድሪ ጊልዓድ ከኣ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ዀነት። 7 ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም+ ዘላ ሚክመታት+ ነበረ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ደቡብ* ኣቢሉ ናብ ነበርቲ ዔን-ታጱኣ ኸደ። 8 ምድሪ ታጱኣ+ ንምናሴ ዀነት፣ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጱኣ ግና፡ ንደቂ ኤፍሬም ኰነት። 9 እቲ ዶብ ድማ ናብ ርባ ቃና፡ ናብ ደቡብ እቲ ርባ ወረደ። ኣብ መንጎ ኸተማታት ምናሴ ኸኣ፡ ከተማታት ኤፍሬም ነበራ፣+ እቲ ዶብ ምናሴ ድማ፡ ብሰሜን እቲ ርባ ነበረ፡ ኣብ ባሕሪ ኸኣ ኣብቅዐ።+ 10 ናብ ደቡብ ንኤፍሬም፡ ናብ ሰሜን ድማ ንምናሴ ዀነ፣ ዶቡ ኸኣ ባሕሪ ዀነ፣+ ንሳቶም* ድማ ብሰሜን ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ ከኣ ናብ ይሳኮር በጽሑ። 11 ኣብ ምድሪ ይሳኮርን ኣሴርን ከኣ፡ ቤት-ሸኣንን ዓድታታን፡ ዪብልዓምን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ዶርን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ዔን-ዶርን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ታዓናክን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ መጊዶን ዓድታታን፡ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ዀና። 12 ደቂ ምናሴ ግና ነዘን ከተማታት እዚአን ኪርስተይወን ኣይከኣሉን፣ ከነኣናውያን ድማ ኣብታ ምድሪ ኪቕመጡ ቘረጹ።+ 13 እስራኤላውያን ምስ ሓየሉ ኸኣ፡ ነቶም ከነኣናውያን ብግዲ ኣሸቀልዎም እምበር፡+ ጠሪሶም ኣይሰጐጕዎምን።*+ 14 ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱ፡ “የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ባሪኹና* ኣሎ እሞ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኽነስና፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጫን+ ሓደ ብጽሒትን ጥራይ ርስቲ ዝሃብካና፧”* ኢሎም ተዛረብዎ።+ 15 እያሱ ኸኣ፡ “ክንድዚ ዚኣክል ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንካ፡ ኣኽራን ኤፍሬም+ ስለ ዝጸበበካ፡ ናብ ዱር ደዪብካ፡ ኣብ ምድሪ ፈረዛውያንን+ ረፋይምን+ ንዓኻ ልበድ” ኢሉ መለሰሎም። 16 ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ “እቲ ኣኽራን ኣይኣኽለናን እዩ፣ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ስንጭሮ* ዚነብሩ ከነኣናውያን፡ እቶም ኣብ ቤት-ሸኣንን+ ዓድታታን ዘለዉ ዀኑ እቶም ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል+ ዘለዉ፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን ሰረገላታት* ኣለዋኦም”+ በሉ። 17 እያሱ ኸኣ ንቤት ዮሴፍ፡ ንኤፍሬምን ንምናሴን፡ “ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዪ ሓይሊ እውን ኣሎካ። ሓደ ዕጫ ጥራይ ክትረክብ የብልካን፣+ 18 እቲ ኣኽራን እውን ንዓኻ ይኹን።+ ዱር እኳ እንተ ዀነ፡ ልበዶ እሞ፡ ዶብካ ዜብቅዓሉ ኪኸውን እዩ። እቶም ከነኣናውያን ሓያላት እኳ እንተ ዀኑ፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለዎ ሰረገላታት* እውን እንተ ኣለዎም፡ ስጐጎም” በሎም።+ 18 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ድማ ኣብ ሺሎ+ ተኣከበ፣ እታ ምድሪ ኸኣ ተገዚኣትሎም ነበረት እሞ፡+ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ኣብኡ ተኸልዎ።+ 2 ግናኸ፡ ካብ እስራኤላውያን ርስቶም ዘይበጽሖም ሸውዓተ ነገዳት ተሪፎም ነበሩ። 3 እያሱ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “ነዛ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ኼድኩም ንምርስታያ ኽሳዕ መዓስ ኢኹም ዕሽሽ እትብሉ፧+ 4 ምእንቲ ኽልእኮም፡ ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰባት ሃቡኒ፣ ንሳቶም ከኣ ይኺዱ እሞ፡ ነታ ምድሪ ዀሊሎም ከከም ርስቶም ይጽሓፉዋ። ናባይ ድማ ይመለሱ። 5 ኣብ መንጎኦም ከኣ ኣብ ሸውዓተ ግደ ይምቀልዋ።+ ይሁዳ ኣብ ዓዱ ብደቡብ ይኹን፡+ ቤት ዮሴፍ እውን ኣብ ዓዶም ብሰሜን ይኹኑ።+ 6 ንስኻትኩም ድማ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ግደ ጽሓፍዋ፡ ናብዚ ናባይ ከኣ ኣምጽኡለይ፣ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና ዕጫ ኸውድቐልኩም እየ።+ 7 ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት የሆዋ እዩ እሞ፡+ ኣብ መንጎኹም ግደ የብሎምን፣+ ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ከኣ፡+ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝሃቦም ርስቶም ድሮ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ወሲዶም እዮም።” 8 እቶም ሰባት ድማ ኪኸዱ ተዳለዉ፣ እያሱ ኸኣ ነቶም ነታ ምድሪ ኺጽሕፍዋ ዚኸዱ፡ “ኬድኩም ነታ ምድሪ ዀሊልኩም ጽሓፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፣ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ሺሎ ዕጫ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም።+ 9 ሽዑ፡ እቶም ሰባት ከይዶም በታ ምድሪ ሓለፉ፣ በብኸተማታት ኣብ ሸውዓተ ግደ ጸሓፍዋ፡ ኣብ መጽሓፍ እውን መዝገብዋ። ድሕሪኡ፡ ናብ እያሱ፡ ናብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ሰፈር ተመልሱ። 10 እያሱ ድማ ኣብ ሺሎ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዕጫ ኣውደቐሎም።+ ኣብኡ ኸኣ እያሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤላውያን ከከም ግዲኦም መቐሎም።+ 11 ንነገድ ብንያም ከከም ዓሌቶም ዕጫ ወጸሎም፣ እቲ ብዕጫ ዝወጸሎም ዓዲ ኸኣ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን+ ኣብ መንጎ ደቂ ዮሴፍን+ ነበረ። 12 ዶቦም ብሸነኽ ሰሜን ካብ ዮርዳኖስ ጀመረ፣ እቲ ዶብ ድማ ብሰሜናዊ ዓቐበት ያሪኮ+ ደዪቡ፡ ኣብቲ ኸረን ናብ ምዕራብ ደየበ፣ ናብ በረኻ ቤት-ኣዌን+ ከኣ ወጸ። 13 ካብኡ ድማ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብ ደቡባዊ ዓቐበት ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል፡+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤት-ሖሮን+ ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮት-ኣዳር+ ወረደ። 14 እቲ ዶብ ድማ ብምዕራባዊ ሸነኽ ተሓንጺጹ፡ ካብቲ ብደቡብ ኣብ መንጽር ቤት-ሖሮን ዘሎ ኸረን ናብ ደቡብ ዞረ፣ ኣብታ ኸተማ ይሁዳ ዝዀነት ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ኸኣ ቂርያት-የዓሪም፡+ ኣብቅዐ። ምዕራባዊ ሸነኹ እዚ እዩ። 15 እቲ ሸነኽ ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያት-የዓሪም እዩ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ምዕራብ ኣቢሉ ወጸ፣ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ+ ድማ ወጸ። 16 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ስንጭሮ ወዲ ሂኖም፡+ ብሰሜን ስንጭሮ* ረፋይም+ ዘሎ ኸረን ወረደ፣ ናብ ስንጭሮ ሂኖም፡ ናብቲ ብደቡብ ዘሎ ዓቐበት ይቡሳውያን፡+ ናብ ዔን-ሮጌል+ ድማ ወረደ። 17 ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔን-ሸመሽ ተሓንጸጸ እሞ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም+ ዘሎ ገሊሎት ወጸ፣ ናብ እምኒ+ ቦሃን+ ወዲ ሮቤል ከኣ ወረደ። 18 ናብቲ ኣብ መንጽር ዓራባ ዘሎ ሰሜናዊ ዓቐበት ሓሊፉ ድማ፡ ናብ ዓራባ ወረደ። 19 እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜናዊ ዓቐበት ቤት-ሖግላ+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ልሳን ባሕሪ ጨው፡*+ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ዮርዳኖስ ኣብቅዐ። እቲ ደቡባዊ ዶብ እዚ እዩ። 20 ብምብራቓዊ ሸነኹ ኸኣ ዶቡ ዮርዳኖስ ነበረ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም፡ ብዙርያ ዘሎ ዶቡ እዚ እዩ። 21 ከተማታት ብንያም በብዓሌቶም እዚኣተን ነበራ፦ ያሪኮ፡ ቤት-ሖግላ፡ ኤሜቅ-ቀጺጽ፡ 22 ቤት-ዓራባ፡+ ጸማራዪም፡ ቤት-ኤል፡+ 23 ዓዊም፡ ጳራ፡ ዖፍራ፡ 24 ኬፋር-ዓሞናይ፡ ዖፍኒ፡ ጌባዕ+—12 ኸተማን ሰፈራተንን። 25 ጊብዖን፡+ ራማ፡ ብኤሮት፡ 26 ሚጽጰ፡ ከፊራ፡ ሞጻን፡ 27 ሬቀም፡ ዪርጰኤል፡ ታርኣላ፡ 28 ጼላዕ፡+ ሃ-ኤሌፍ፡ ይቡሲ፡ ንሳ ድማ የሩሳሌም፡+ ጊብዓ+—14 ኸተማን ሰፈራተንን። ርስቲ ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚ እዩ። 23 የሆዋ ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም+ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት፡ እያሱ እውን ኣሪጉ ብዕድመ ምስ ደፍአ፡+ 2 እያሱ ንብዘለዉ እስራኤል፡+ ንዓበይቶምን ንርእስታቶምን ንፈራዶኦምን ንኣሕሉቖምን+ ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣነ ኣሪገ፡ ብዕድመ ድማ ደፊአ እየ። 3 እቲ ዚዋግኣልኩም ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኦም ምእንታኹም ዝገበሮ፡ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።+ 4 ርኣዩ፡ ምድሪ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብን+ እቶም ዘጥፋእክዎም ኵሎም ኣህዛብን፡+ ካብ ዮርዳኖስ ክሳብ እቲ ብምዕራብ* ዘሎ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡* ንነገዳትኩም ርስቲ ኪኸውን ብዕጫ መቒለኩም እየ።+ 5 እቲ ኻብ ቅድሜኹም ዚደፍኦም ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ፣+ ካብ ቅድሜኹም ከኣ ሰጐጎም፣* ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ዘተስፈወኩም ድማ፡ ንስኻትኩም ምድሮም ተረስተኹም።+ 6 “ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡+ ካብኡ ኸኣ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ከይተላግሱ፡+ ኣዚኹም ትብዑ፣ 7 ምስዞም ምሳኻትኩም ዘለዉ ዝተረፉ ኣህዛብ እዚኦም እውን ኣይትጸምበሩ።+ ስም ኣማልኽቶም ድማ ኣይትስመዩ፡+ ብኣታቶም ከኣ ኣይትምሓሉ፡ ኣይተገልግልዎምን ኣይትስገዱሎምን እውን።+ 8 ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርኩምዎ ደኣ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ልገቡ።+ 9 ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ኪቐውም ኣይከኣለን እሞ፡+ የሆዋ ኻብ ቅድሜኹም ዓበይትን ሓያላትን ኣህዛብ ኪሰጕጕ እዩ።+ 10 የሆዋ ኣምላኽኩም ከምቲ ዘተስፈወኩም+ ኪዋግኣልኩም እዩ እሞ፡+ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪሰጕጎም እዩ።+ 11 ስለዚ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ብምፍቃር፡+ ወትሩ ተሓለዉ።*+ 12 “ንድሕሪት ተመሊስኩም ናብዞም ካብዞም ኣህዛብ ምሳኻትኩም ዝተረፉ እንተ ለጊብኩም እሞ፡+ ምሳታቶም እንተ ተዋሲብኩምን+ እንተ ሓቢርኩምን ንሳቶም እውን እንተ ሓቢሮምኹምን ግና፡ 13 የሆዋ ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ ከም ዘይሰጕጐልኩም* ብርግጽ ፍለጡ።+ ካብዛ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጠፍኡ ድማ፡ ንዓኻትኩም መጻወድያን መፈንጠራን፡ ንጐድንኹም መግረፊ፡+ ንኣዒንትኹም ከኣ እሾዅ ኪዀኑኹም እዮም። 14 “እንሆ ድማ፡ ኣነ ንሞት ቀሪበ ኣለኹ፣* ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን* ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኵሉ ተፈጺሙልኩም እዩ። ካብኡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይወደቐትን።+ 15 ግናኸ፡ ከምቲ ዅሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት ዝመጸኩም፡+ ከምኡ ድማ የሆዋ ዅሉ እቲ ንሱ ዝበለኩም መዓት* ኬውርደልኩም፡ ካብዛ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ኬጥፍኣኩም እዩ።+ 16 ነቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳን እንተ ጥሒስኩም፡ ኬድኩም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምን እንተ ሰጊድኩምን፡ ሽዑ ቝጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡+ ካብታ ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ብቕልጡፍ ክትጠፍኡ ኢኹም።”+ 19 እቲ ኻልኣይ ዕጫ+ ድማ ንስምኦን፡ ንነገድ ስምኦን+ በብዓሌቶም ወጸሎም። እቲ ርስቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርስቲ ይሁዳ እዩ።+ 2 ርስቶም እዚ እዩ፦ ብኤር-ሸባዕ+ ምስ ሸባዕ፡ ሞላዳ፡+ 3 ሓጻር-ሹዓል፡+ ባላ፡ ዔጸም፡+ 4 ኤልቶላድ፡+ በቱል፡ ሖርማ፡ 5 ጺቅላግ፡+ ቤት-ማርካቦት፡ ሓጻር-ሱሳ፡ 6 ቤት-ለባኦት፡+ ሻሩሔን—13 ኸተማን ሰፈራተንን፣ 7 ዓዪን፡ ሪሞን፡ ዔተር፡ ዓሻን+—ኣርባዕተ ኸተማን ሰፈራተንን፣ 8 ኵለን እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚአን ዝነበራ ሰፈራት ክሳብ በዓላት-ብኤር፡ እታ ናይ ደቡብ ራማ። ርስቲ ነገድ ስምኦን በብዓሌቶም እዚ እዩ። 9 ግደ ይሁዳ ንዓታቶም እምብዛ ገፊሕዎም ስለ ዝነበረ፡ ርስቲ ደቂ ስምኦን ካብ ብጽሒት ይሁዳ ተወስደ። ስለዚ፡ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ እቲኣቶም ተረስተዩ።+ 10 እቲ ሳልሳይ ዕጫ+ ድማ ንደቂ ዛብሎን+ በብዓሌቶም ወጸሎም፣ ዶብ ርስቶም ከኣ ክሳብ ሳሪድ ኰነ። 11 ዶቦም ድማ ናብ ምዕራብ ናብ ማርዓላ ኣቢሉ ደዪቡ፡ ናብ ዳበሸት በጽሐ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዮቅነዓም ዘሎ ስንጭሮ* ኸኣ በጽሐ። 12 ካብ ሳሪድ ድማ ናብ ምብራቕ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ፡ ናብ ዶብ ኪስሎት-ታቦር ከይዱ፡ ናብ ዳብራት+ ወጸ፣ ናብ ያፊዓ ኸኣ ደየበ። 13 ካብኣ ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ ናብ ጋት-ሔፈርን+ ናብ ዒታ-ቃጺንን ሓሊፉ፡ ናብ ሪሞን ወጸ፡ ናብ ኔዓ ኸኣ ተሓንጸጸ። 14 እቲ ዶብ ከኣ ንዓኣ ዞይሩ ብሰሜን ናብ ሓናቶን ኣበለ፡ እቲ ዜብቅዓሉ ድማ እዚ እዩ፦ ስንጭሮ ይፍታሕ-ኤል፡ 15 ቃጣት፡ ናሃላል፡ ሺምሮን፡+ ዪድኣላ፡ ቤት-ልሄም+—12 ኸተማን ሰፈራተንን። 16 ርስቲ ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም+ እዚ እዩ። እተን ከተማታትን ሰፈራተንን ከኣ እዚኣተን እየን። 17 እቲ ራብዓይ ዕጫ+ ንይሳኮር፡+ ንደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም ወጸሎም። 18 ዶቦም ድማ እዚ እዩ፦ ይዝርኤል፡+ ኬሱሎት፡ ሹነም፡+ 19 ሓፍራዪም፡ ሺኦን፡ ኣናሓራት፡ 20 ራቢት፡ ቂሽዮን፡ ኣቤጽ፡ 21 ሬመት፡ ዔን-ጋኒም፡+ ዔን-ሓዳ፡ ቤት-ጳጼጽ። 22 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ታቦርን+ ሻሓጺማን ቤት-ሸመሽን በጽሐ፣ ዶቦም ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብቅዐ—16 ኸተማን ሰፈራተንን። 23 ርስቲ ነገድ ይሳኮር በብዓሌቶም፡+ እተን ከተማታትን ሰፈራተንን፡ እዚ እዩ። 24 እቲ ሓምሻይ ዕጫ+ ድማ ንነገድ ኣሴር+ በብዓሌቶም ወጸሎም። 25 ዶቦም ከኣ እዚ እዩ፦ ሔልቃት፡+ ሓሊ፡ ቤጤን፡ ኣክሻፍ፡ 26 ኣላመሌክ፡ ዓምዓድ፡ ሚሽኣል። ናብ ምዕራብ ናብ ቀርሜሎስን+ ናብ ሺሖር-ሊብናትን በጽሐ፣ 27 ናብ ምብራቕ ድማ ናብ ቤት-ዳጎን ተመሊሱ፡ ናብ ዛብሎንን ናብ ሰሜን ስንጭሮ ይፍታሕ-ኤልን ናብ ቤት-ዔመቅን ነዒኤልን በጽሐ፡ ብጸጋም ከኣ ናብ ካቡል ወጸ፣ 28 ናብ ዔብሮንን ሬሖብን ሓሞንን ቃናን እውን፡ ክሳብ እታ ዓባይ ሲዶን+ ወጸ። 29 እቲ ዶብ ድማ ናብ ራማ፡ ክሳብ እታ እተዓርደት ከተማ ጢሮስ+ ተመልሰ። እቲ ዶብ ከኣ ናብ ሖሳ ተመልሰ፣ እቲ ኣብ ባሕሪ ዜብቅዓሉ ድማ እዚ እዩ፦ ዞባ ኣክዚብ፡ 30 ዑማ፡ ኣፌቅ፡+ ሬሖብ+—22 ከተማን ሰፈራተንን። 31 ርስቲ ነገድ ኣሴር በብዓሌቶም+ እዚ እዩ። እተን ከተማታትን ሰፈራተንን እዚኣተን እየን። 32 እቲ ሻድሻይ ዕጫ+ ንደቂ ንፍታሌም፡ ንደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም ወጸሎም። 33 ዶቦም ድማ ካብ ሔሌፍ፡ ካብቲ ኣብ ጸዓናኒም+ ዘሎ ዓብዪ ኦም፡ ካብ ኣዳሚ-ኔቈብን ያብንኤልን ክሳብ ላቁም እዩ፣ ኣብ ዮርዳኖስ ከኣ ኣብቅዐ። 34 እቲ ዶብ ድማ ናብ ምዕራብ ናብ ኣዝኖት-ታቦር ተመሊሱ፡ ካብኡ ናብ ሑቆቅ ወጸ፣ ብደቡብ ከኣ ናብ ዛብሎን፡ ብምዕራብ ድማ ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ እውን ናብ ይሁዳ ኣብ ዮርዳኖስ በጽሐ። 35 እተን እተዓርዳ ኸተማታት ከኣ እዚኣተን እየን፦ ጺድም፡ ጼር፡ ሓማት፡+ ራቃት፡ ኪነረት፡ 36 ኣዳማ፡ ራማ፡ ሓጾር፡+ 37 ቀደሽ፡+ ኤድረይ፡ ዔን-ሓጾር፡ 38 ዪርኦን፡ ሚግዳል-ኤል፡ ሖሬም፡ ቤት-ዓናት፡ ቤት-ሸመሽ+—19 ኸተማን ሰፈራተንን። 39 ርስቲ ነገድ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡+ እተን ከተማታትን ሰፈራተንን፡ እዚ እዩ። 40 እቲ ሻውዓይ ዕጫ+ ንነገድ ዳን+ በብዓሌቶም ወጸሎም። 41 ዶብ ርስቶም ድማ እዚ እዩ፦ ጾርዓ፡+ ኤሽታኦል፡ ዔር-ሸመሽ፡ 42 ሻዓላቢን፡+ ኣያሎን፡+ ዪትላ፡ 43 ኤሎን፡ ቲምና፡+ ዔቅሮን፡+ 44 ኤልትቄ፡ ጊብቶን፡+ በዓላት፡ 45 ይሁድ፡ በነ-ብራቅ፡ ጋት-ሪሞን፡+ 46 መ-ያርቆን፡ ራቆን፡ ምስቲ ኣብ መንጽር ያፎ*+ ዘሎ ዶብ። 47 ንዳን ግና ዓዶም ጸበቦም።+ ደዪቦም ከኣ ንለሼም+ ተዋጊኦም ሓዝዋ፡ ብሰይፊ ድማ ወቕዕዋ። ንዓኣ ተረስትዮም ከኣ ተቐመጥዋ፣ ንለሼም ድማ ብስም ኣቦኦም ዳን፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ።+ 48 ርስቲ ነገድ ዳን በብዓሌቶም እዚ እዩ። እተን ከተማታትን ሰፈራተንን ከኣ እዚኣተን እየን። 49 በዚ ኸምዚ፡ ነታ ምድሪ በብሃገራ መቒሎም ወድኡ። እስራኤላውያን ከኣ ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእከሎም ርስቲ ሃብዎ። 50 ከም ትእዛዝ የሆዋ፡ እታ ዝደለያ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘላ ቲምናት-ሴራሕ+ እትብሃል ከተማ ሃብዎ፣ ንሱ ድማ ነታ ኸተማ ሰርሓ፡ ኣብኣ እውን ተቐመጠ። 51 እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን ርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን፡ ኣብ ሺሎ+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡+ ብዕጫ ዝመቐልዎ ርስትታት እዚ እዩ።+ ነታ ምድሪ መቒሎም ከኣ ወድኡ። 20 የሆዋ ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት ዕቝባ+ ንርእስኹም ሕረዩ፣ 3 እዚ ኸኣ እቲ ብዘይፍላጥ ወይ ብድንገት* ሰብ* ዝቐተለ ቐታሊ ናባታተን ምእንቲ ኺሃድም እዩ። ካብ ፈዳይ ደም ድማ መዕቈቢ ኪዀናኹም እየን።+ 4 ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ይህደም፡+ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ፡+ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ እናሰምዕዎ ነገሩ የቕርብ። ንሳቶም ድማ ናብታ ኸተማ ይቀበልዎ፡ ቦታ ኸኣ ይሃብዎ፡ ምሳታቶም እውን ይንበር። 5 ንብጻዩ ብድንገት* እዩ ቐቲልዎ፡ ኣቐዲሙ ኸኣ ጽልኢ ኣይነበሮን እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም ደድሕሪኡ እንተ ስዒቡ፡ ነቲ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፎም ኣይሃብዎ።+ 6 ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዚቐውም ኣብታ ኸተማ እቲኣ ይቀመጥ፣+ እቲ በታ ግዜ እቲኣ ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ድማ ኣብኣ ይጽናሕ።+ ድሕሪኡ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ናብታ ኻብኣ ዝሃደመላ ኸተማ ኺምለስ፡ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን ከኣ ኪኣቱ ይኽእል እዩ።’”+ 7 ስለዚ፡ ኣብ ገሊላ ኣብ ኣኽራን ንፍታሌም ንቀደሽ፡+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ንሴኬም፡+ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ ኸኣ ንቂርያት-ኣርባዕ፡+ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ቀደሱ።* 8 ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ ኸኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ነታ ኣብ በረኻ ኣብ ከበሳ ዘላ ቤጸር፡+ ካብ ነገድ ጋድ ነታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት፡+ ካብ ነገድ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን+ ሓረዩ።+ 9 ብዘይፍላጥ ሰብ* ዝቐተለ ዘበለ ናባታተን ኪሃድም፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኸይቈመ ኸኣ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲ፡ እተን ንዅሎም እስራኤላውያንን ኣብ መንጎኦም ንዚነብሩ ጓኖትን እተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።+ 3 እያሱ ኸኣ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ንሱን ኵሎም እስራኤላውያንን* ድማ ካብ ሺጢም+ ነቒሎም፡ ናብ ዮርዳኖስ መጹ። ቅድሚ ምስጋሮም ድማ ኣብኡ ሓደሩ። 2 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ እቶም ኣሕሉቕ+ ብማእከል ሰፈር ሓለፉ፡ 3 ነቲ ህዝቢ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፦ “ታቦት ኪዳን የሆዋ ኣምላኽኩም ብሌዋውያን ካህናት ተጾይሩ ምስ ረኣኹም፡+ ካብ ቦታኹም ነቒልኩም ስዓብዎ። "4 ግናኸ፡ በታ መገዲ እቲኣ ኣቐዲምኩም ተጓዒዝኩም ስለ ዘይትፈልጡ፡ በየነይቲ መገዲ ኸም እትኸዱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ካብኡ 2,000 እመት* ዚኸውን ርሓቑ እምበር፡ ኣይትቕረብዎ።” " 5 እያሱ ነቶም ህዝቢ፡ “ጽባሕ የሆዋ ኣብ መንጎኹም ዜደንቕ ነገራት ኪገብር እዩ እሞ፡+ ተቐደሱ”+ በሎም። 6 እያሱ ድማ ነቶም ካህናት፡ “ታቦት ኪዳን ጾይርኩም፡+ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ሕለፉ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ታቦት ኪዳን ጾይሮም ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸዱ። 7 የሆዋ ድማ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ፡+ ምሳኻ እውን ከም ዝኸውን ምእንቲ ኺፈልጡ፡+ በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ልዕል ከብለካ እየ።+ 8 ነቶም ታቦት ኪዳን ዚጾሩ ኻህናት፡ ‘ናብ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ በጻሕኩም፡ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ’ ኢልካ ኣዝዞም።”+ 9 እያሱ ኸኣ ንእስራኤላውያን፡ “ናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል የሆዋ ኣምላኽኩም ስምዑ” በሎም። 10 እያሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ህያው ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም ከም ዘሎ፡+ ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንሒዋውያንን ንፈረዛውያንን ንጊርጋሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ድማ ካብ ቅድሜኹም ብርግጽ ከም ዚሰጕጎም በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም።+ 11 እንሆ፡ ናይቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሓልፍ ኣሎ። 12 ሕጂ ኸኣ ካብ ነገዳት እስራኤል 12 ሰብኡት ውሰዱ።+ 13 ከብዲ እግሪ እቶም ታቦት እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ዝዀነ የሆዋ ዚጾሩ ኻህናት ንማይ ዮርዳኖስ ትንክፍ ምስ ኣበሎ፡* እቲ ኻብ ላዕሊ ዚውሕዝ ማይ ዮርዳኖስ ኬቋርጽ፡ ከም ግድብ* ኰይኑ ድማ ደው ኪብል እዩ።”+ 14 እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኻብ ድንኳናቶም ምስ ነቐሉ፡ እቶም ካህናት ታቦት ኪዳን ጾይሮም ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸዱ።+ 15 እቶም ነቲ ታቦት ዝጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ኻህናት ድማ ኣእጋሮም ኣብ ገማግም እቲ ማይ ምስ ኣጥለቑ፡ (ሽዑ ብዅሉ መዓልትታት ዓጺድ፡ ገማግም ዮርዳኖስ መሊኡ ይውሕዝ ነበረ፡)+ 16 እቲ ኻብ ላዕሊ ዚውሕዝ ዝነበረ ማይ ደው በለ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻሬታን እትርከብ ኣዳም እትብሃል ከተማ ኸም ግድብ* ኰይኑ ቘመ፣ እቲ ናብ ባሕሪ ዓራባ፡ ናብ ባሕሪ ጨው፡* ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ተሓንኰዀ። እቲ ማይ ኣቋረጸ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ናብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ። 17 ኵሉ እስራኤል ብንቑጽ ምድሪ ኽሳዕ ዚሳገር፡+ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሳገር፡ እቶም ታቦት ኪዳን የሆዋ ዝጾሩ ኻህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብ ንቑጽ ምድሪ ኸይተንቀሳቐሱ ቘይሞም ነበሩ።+ 24 እያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም፣ ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንርእስታቶምን ንፈራዶኦምን ንኣሕሉቖምን+ ከኣ ጸውዖም እሞ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደው በሉ። 2 እያሱ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ጥንቲ ኣቦታትኩም፡+—ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡—ኣብ ስግር እቲ ፈለግ* ይነብሩ ነበሩ፣+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ የገልግሉ ነበሩ።+ 3 “‘ንኣቦኹም ኣብርሃም+ ድማ ካብ ስግር እቲ ፈለግ* ወሲደ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ከነኣን ከም ዚመላለስ ገበርክዎ፡ ዘርኡ እውን ኣብዛሕኩ።+ ይስሃቅ ከኣ ሃብክዎ፣+ 4 ንይስሃቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሃብክዎ።+ ንኤሳው ከኣ ከረን ሰዒር ርስቱ ገይረ ሃብክዎ፣+ ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብጺ ወረዱ።+ 5 ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸኣ፡+ ንግብጺ ኸምቲ ኣብ ማእከላ ዝገበርክዎ ገይረ ወቓዕክዋ፣+ ድሕሪኡ ድማ፡ ኣውጻእኩኹም። 6 ንኣቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከለኹ፡+ ናብ ባሕሪ በጻሕኩም፣ ግብጻውያን ከኣ ንኣቦታትኩም ብሰረገላታትን ብፈረሰኛታትን ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ሰዓብዎም።+ 7 ንሳቶም ድማ ናብ የሆዋ ኣእወዩ፣+ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፣ ነቲ ባሕሪ ድማ ናብ ልዕሊኦም ኣምጺኡ ደፈኖም፣+ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበርክዎ ኸኣ ኣዒንትኹም ረኣያኦ።+ ኣብ በረኻ ድማ ብዙሕ ዓመታት* ተቐመጥኩም።+ 8 “‘ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ኣምጻእኩኹም፣ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም።+ ኣነ ኸኣ ምድሮም ምእንቲ ኽትርስተዩ፡ ንዓታቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፡ ካብ ቅድሜኹም እውን ኣጥፋእክዎም።+ 9 ሽዑ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ ተንሲኡ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ምእንቲ ኺረግመኩም ኢሉ ድማ፡ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ጸውዖ።+ 10 ኣነ ግና ንበላዓም ኣይሰማዕክዎን።+ ስለዚ፡ ንሱ ደጋጊሙ መረቐኩም፡+ ኣነ ኸኣ ካብ ኢዱ ኣናገፍኩኹም።+ 11 “‘ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም+ ድማ ናብ ያሪኮ መጻእኩም።+ መራሕቲ* ያሪኮን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሔታውያንን ጊርጋሳውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ከኣ ተዋግኡኹም፣ ኣነ ድማ ንዓታቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።+ 12 ቀቅድሜኹም ከኣ ሕልናኦም ኣዕረብኩሎም፣* ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ድማ ካብ ቅድሜኹም ሰጐጕክዎም እምበር፡+ ብሰይፍኻ ወይ ብቐስትኻ ኣይኰነን።+ 13 በዚ ኸምዚ፡ ዘይጸዓርኩምላ ምድርን ዘይሰራሕኩምወን ከተማታትን ሃብኩኹም፣+ ንስኻትኩም ከኣ ተቐመጥኩምወን። ካብ ዘይተኸልኩምዎ ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን ድማ ትበልዑ ኣለኹም።’+ 14 “እምበኣር፡ ንየሆዋ ፍርህዎ፡ ብንጽህናን* ብተኣማንነትን* ከኣ ኣገልግልዎ፣+ ኣቦታትኩም ኣብ ስግር እቲ ፈለግን* ኣብ ግብጽን ዘገልገልዎም ኣማልኽቲ ኣርሒቕኩም ድማ፡+ ንየሆዋ ኣገልግልዎ። 15 ሕጂ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ክፉእ እንተ መሲሉኩም፡ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ስግር እቲ ፈለግ* ዘገልገልዎም ኣማልኽቲ+ ወይ ኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትቕመጡ ዘለኹም ኣሞራውያን፡+ ሎሚ ሕረዩ።+ ኣነን ቤተ ሰበይን ግና፡ ንየሆዋ ኢና እነገልግል።” 16 እቶም ህዝቢ ኸኣ ከምዚ ኢሎም መለሱ፦ “ንየሆዋ ሓዲግና፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸነገልግልሲ፡ ኣባና ዘይሕሰብ እዩ። 17 እቲ ንዓናን ንኣቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጽኣና፡+ እዚ ዓበይቲ ትእምርትታት እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡+ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መገድን ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም ብማእከሎም ዝሓለፍና ህዝብታትን ከኣ ዝሓለወና፡ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ 18 የሆዋ ንዅሎም እዞም ኣብዛ ኣብ ቅድሜና ዘላ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝብታት፡ እንተላይ ንኣሞራውያን፡ ሰጒጕዎም እዩ። እምበኣር፡ ንሱ ኣምላኽና ስለ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ንየሆዋ ኢና እነገልግል።” 19 እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “ንየሆዋ ኸተገልግልዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ንሱስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ፣+ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እውን እዩ።+ ኣበሳኹምን* ሓጢኣትኩምን ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።+ 20 ንየሆዋ ሓዲግኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩም፡ ንሱ እውን ጽቡቕ ምስ ገበረልኩም፡ ተመሊሱ ኼጽንተኩም እዩ።”+ 21 እቶም ህዝቢ ኸኣ ንእያሱ፡ “ኣይፋልናን፡ ንየሆዋ ደኣ ኢና እነገልግል” በልዎ።+ 22 እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ “ንየሆዋ ኸተገልግልዎ ባዕላትኩም ከም ዝሓረኹም፡ ንስኻትኩም ንርእስኹም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም።+ ንሳቶም ከኣ፡ “መሰኻኽር ኢና” በሉ። 23 “እምበኣር፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቕዎም፡ ልብኹም ድማ ናብ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣዘንብሉ።” 24 እቶም ህዝቢ ኸኣ ንእያሱ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽና ኸነገልግል፡ ድምጹ ድማ ክንሰምዕ ኢና” በልዎ። 25 እያሱ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ኺዳን ኣተወ፡ ስርዓትን ፍርድን ድማ ኣብ ሴኬም ኣቘመሉ። 26 እያሱ ኸኣ ነዚ ቓላት እዚ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ጸሓፎ፣+ ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ድማ፡+ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ መቕደስ የሆዋ ዝነበረ ገዚፍ ኦም ኣቘሞ። 27 እያሱ ኸኣ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “እንሆ፡ እዚ እምኒ እዚ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበለና ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ምስክር ኪዀነና እዩ፣+ ንኣምላኽኩም ምእንቲ ኸይትኽሕድዎ እውን፡ ምስክር ኪዀነኩም እዩ” በሎም። 28 ሽዑ፡ እያሱ ነቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ሰደዶ።+ 29 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ድማ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ።+ 30 ኣብታ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ ዘላ ቲምናት-ሴራሕ+ እትብሃል ዓዲ ርስቱ ኸኣ ቀበርዎ። 31 እስራኤል ድማ ብዅሉ ዘመን እያሱን ብዅሉ ዘመን እቶም ድሕሪ እያሱ ዝጸንሑ እሞ ዅሉ እቲ የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ዝገበሮ ግብርታት ዚፈልጡ ዓበይትን፡ ንየሆዋ የገልግሎ ነበረ።+ 32 እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘደየብዎ ኣዕጽምቲ ዮሴፍ ከኣ፡+ ኣብ ሴኬም፡ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ሓሞር፡ ኣቦ ሴኬም፡ ብ100 ቀሲጣ* ዝዓደጋ ኽፋል ግራት ቀበርዎ፣+ ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ዀነቶም።+ 33 ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን እውን ሞተ።+ ኣብታ ንወዱ ፊንሃስ+ እተዋህበት ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘላ ዅርባ ኸኣ ቀበርዎ። 7 እስራኤላውያን ግና ምስቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ነገር ብዚተሓሓዝ ጠለሙ፣ ከመይሲ፡ ዓካን+ ወዲ ካርሚ፡ ወዲ ዛብዲ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ገለ ኻብቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ወሰደ።+ ቍጥዓ የሆዋ ድማ ኣብ እስራኤላውያን ነደደ።+ 2 እያሱ ኸኣ ካብ ያሪኮ ናብታ ብምብራቕ ቤት-ኤል+ ኣብ ጥቓ ቤት-ኣዌን ዘላ ዓይ፡+ “ደዪብኩም ነታ ምድሪ ሰልይዋ” ኢሉ ሰባት ሰደደ። እቶም ሰባት ድማ ደዪቦም ንዓይ ሰለይዋ። 3 ናብ እያሱ ምስ ተመልሱ ኸኣ፡ “ኵሉ እቲ ህዝቢ ኺድይብ ኣየድልን እዩ። ኣስታት ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ንዓይ ንምስዓር ይኣኽሉ እዮም። ሒደት እዮም እሞ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ናብኡ ኸም ዚኸይድ ብምግባር፡ ኣይተድክሞ” በልዎ። "4 ኣስታት 3,000 ሰባት ናብኣ ደየቡ፣ ግናኸ፡ ካብ ቅድሚ ሰብ ዓይ ሃደሙ።+" 5 እቶም ሰብ ዓይ ካባታቶም 36 ሰባት ቀተሉ፣ ካብ ወጻኢ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ክሳብ ሰባሪም* ሰዓብዎም፡ ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ስለዚ፡ ልቢ እቲ ህዝቢ መኸኸ፡ ከም ማይ ከኣ ኰነ። 6 ሽዑ፡ እያሱ ኽዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ኽሳዕ ምሸት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፍአ፣ ንሱን ዓበይቲ እስራኤልን ከምኡ ገበሩ፣ ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓመድ ነስነሱ። 7 እያሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ሂብካ ኸተጥፍኣናስ፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ እዚ ንዮርዳኖስ ኣሳጊርካዮ፧ ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዓጊብና እንተ ንቕመጥ ምሓሸና! 8 ኦ የሆዋ፡ ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር፡ ሕጂ እስራኤል ካብ ቅድሚ ጸላእቱ ኻብ ኣንሰሓበስ፡* እንታይ ክብል እኽእል፧ 9 ከነኣናውያንን ኵሎም ኣብዛ ምድሪ ዚነብሩን ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኪኸብቡናን ስምና ኻብ ምድሪ ኺድምስሱን እዮም፣ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧”+ 10 የሆዋ ኸኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ተንስእ! ስለምንታይ ብገጽካ ተደፊእካ ኣለኻ፧ 11 እስራኤል ሓጢኡ ኣሎ። እቲ ኺሕልውዎ ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ጥሒሶም ኣለዉ።+ ገለ ኻብቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ወሲዶም ኣለዉ፣+ ሰሪቖም+ ድማ ብሕቡእ ኣብ መንጎ ንብረቶም ኣንቢሮምዎ ኣለዉ።+ 12 ስለዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቘሙ ኣይኪኽእሉን እዮም። ንሳቶም ንጥፍኣት እተመጠዉ ዀይኖም ኣለዉ እሞ፡ ዝባኖም መሊሶም ካብ ጸላእቶም ኪሃድሙ እዮም። እቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ ዘየጥፋእኩም፡ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይክኸውንን እየ።+ 13 ተንስእ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ ቐድሶ!+ ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ጽባሕ ተቐደሱ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብሎ ኣሎ፦ “ኦ እስራኤል፡ ኣብ መንጎኻ ንጥፍኣት እተመጠወ ኣሎ። ነቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ ዘየርሓቕኩምዎ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ክትቈሙ ኣይክትክእሉን ኢኹም። 14 ንግሆ፡ በብነገድ ቅረቡ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ+ ነገድ ድማ፡ በብዓሌት ይቕረብ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ ዓሌት ከኣ፡ በብቤተ ሰብ ይቕረብ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ ቤተ ሰብ ድማ፡ በብሰብኣይ ይቕረብ። 15 እቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ሒዙ እተረኽበ ድማ፡ ኪዳን የሆዋ ጥሒሱ፡+ ኣብ እስራኤል ከኣ ነውሪ ገይሩ እዩ እሞ፡ ንሱን ናቱ ዘበለ ዅሉን ብሓዊ ኺነድድ እዩ።”’”+ 16 እያሱ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ንእስራኤል ከኣ በብነገዱ ኣቕረቦ እሞ፡ ነገድ ይሁዳ ተሓርየ። 17 ንዓሌታት ይሁዳ ድማ ኣቕረቦም እሞ፡ ዓሌት ዜራሓውያን+ ተሓርየ፣ ንዓሌት ዜራሓውያን ከኣ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ፡ ዛብዲ ተሓርየ። 18 ንቤተ ሰብ ዛብዲ ድማ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ፡ ዓካን ወዲ ካርሚ፡ ወዲ ዛብዲ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ተሓርየ።+ 19 ሽዑ፡ እያሱ ንዓካን፡ “ወደየ፡ በጃኻ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ፡ ተናዘዘሉ እውን። እንታይ ከም ዝገበርካ ድማ በጃኻ ንገረኒ፡ ኣይትሕብኣለይ” በሎ። 20 ዓካን ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ሓቂ እዩ፡ ኣነ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል በዲለዮ እየ፡ ከምዚ ድማ ገይረ እየ። 21 ኣብ መንጎ እቲ ምርኮ፡ ጽቡቕ ባርኖስ ሲንኣርን+ 200 ሲቃል* ብሩርን 50 ሲቃል ዚምዘን ግማድ ወርቅን ምስ ረኣኹ፡ ተመንየዮስ ወሲደዮ። ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ድንኳነይ፡ ኣብ ምድሪ ተሓቢኡ ኣሎ፣ ኣብ ትሕቲኡ ድማ እቲ ገንዘብ ኣሎ።” 22 ሽዑ፡ እያሱ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ከኣ ናብቲ ድንኳን ጐየዩ፣ ኣብኡ ድማ እቲ ባርኖስ ኣብ ድንኳኑ ተሓቢኡ ነበረ፣ እቲ ገንዘብ እውን ብትሕቲኡ ነበረ። 23 ካብቲ ድንኳን ወሲዶም ከኣ ናብ እያሱን ናብ ኵሎም እስራኤላውያንን ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እውን ኣንበርዎ። 24 እያሱን ኵሉ እስራኤልን ድማ፡ ንዓካን+ ወዲ ዜራሕን ነቲ ብሩርን ነቲ ባርኖስን ነቲ ግማድ ወርቅን+ ምስ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብዑሩን ኣእዱጉን ጤለ በጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ወሲዶም፡ ናብ ስንጭሮ* ዓኮር+ ኣደየብዎ። 25 እያሱ ኸኣ፡ “ኣብ ልዕሌና ስለምንታይ መዓት ኣምጺእካልና፧*+ በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሌኻ መዓት ኬምጽእ እዩ” በሎ። ሽዑ፡ ኵሉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተሎ፣+ ብሓዊ ድማ ኣንደድዎም።+ በዚ ኸምዚ፡ ንዅሎም ብዳርባ እምኒ ቐተልዎም። 26 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ፡ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። ሽዑ፡ ርሱን ቍጥዓ የሆዋ ዘሓለ።+ ስለዚ ድማ፡ ስም እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ስንጭሮ ዓኮር* ይብሃል ኣሎ። 12 እቶም እስራኤላውያን ዝሰዓርዎም እሞ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሮም፡ ካብ ስንጭሮ* ኣርኖን+ ክሳብ ከረን ሄርሞንን+ ንምብራቕ ዘሎ ዅሉ ዓራባን፡+ ርስቶም ክትከውን ዝወሰዱሎም ነገስታት እታ ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦ 2 እቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ፡ ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን+ ዘላ ዓሮዔር፡+ ካብ ማእከል እቲ ስንጭሮን ፍርቂ ጊልዓድን ክሳብ እቲ ዶብ ዓሞናውያን ዝዀነ ስንጭሮ* ያቦቅ ከኣ ዝገዝአ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን። 3 ኣብ ዓራባ ንሸነኽ ምብራቕ ክሳብ ባሕሪ ኪነረት፡*+ ንምብራቕ ብኣንፈት ቤት-የሺሞት ከኣ ክሳብ ባሕሪ ዓራባ፡ ማለት ባሕሪ ጨው፡* ንሸነኽ ደቡብ ድማ ኣብ ትሕቲ ቝልቍለት ጲስጋ+ እውን ይገዝእ ነበረ። 4 ሃገር እቲ ሓደ ኻብቶም ተረፍ ረፋይም ዝነበረ፡+ ኣብ ዓሽታሮትን ኤድረይን ከኣ ዚነብር ዝነበረ ዖግ+ ንጉስ ባሳን እውን፣ 5 ንሱ ድማ ኣብ ከረን ሄርሞንን ኣብ ሳልካን ኣብ ኵላ ባሳንን+ ክሳብ ዶብ ጌሹራውያንን ማዓካታውያንን፡+ ፍርቂ ጊልዓድ ከኣ ክሳብ ሃገር ሲሆን ንጉስ ሔስቦን+ ይገዝእ ነበረ። 6 ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋን እስራኤላውያንን ድማ ሰዓርዎም፣+ ድሕሪኡ፡ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ነታ ምድሮም፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ኽትኰኖም ሃቦም።+ 7 እቶም እያሱን እስራኤላውያንን ዝሰዓርዎም፡ ካብታ ኣብ ስንጭሮ ሊባኖስ+ ዘላ በዓል-ጋድ+ ክሳብ እቲ ናብ ሰዒር+ ዜደይብ ከረን ሓላቅ፡+ ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገስታት እታ ምድሪ እዚኣቶም እዮም፦ (እያሱ ነታ ምድሮም፡ ንነገዳት እስራኤል በብግዲኦም ርስቲ ኽትኰኖም ሃቦም፣+ 8 ንሳ ድማ ነቲ ኣኽራንን ሼፈላን ዓራባን ቍልቍለትን በረኻን ነጌብን+ ዘጠቓለለት ምድሪ ሔታውያንን ኣሞራውያንን+ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን+ እያ።) 9 ንጉስ ያሪኮ፡+ ሓደ፣ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤት-ኤል ዘላ ዓይ፡+ ሓደ፣ 10 ንጉስ የሩሳሌም፡ ሓደ፣ ንጉስ ኬብሮን፡+ ሓደ፣ 11 ንጉስ ያርሙት፡ ሓደ፣ ንጉስ ላኪሽ፡ ሓደ፣ 12 ንጉስ ዔግሎን፡ ሓደ፣ ንጉስ ጌዘር፡+ ሓደ፣ 13 ንጉስ ደቢር፡+ ሓደ፣ ንጉስ ጌደር፡ ሓደ፣ 14 ንጉስ ሖርማ፡ ሓደ፣ ንጉስ ዓራድ፡ ሓደ፣ 15 ንጉስ ሊብና፡+ ሓደ፣ ንጉስ ዓዱላም፡ ሓደ፣ 16 ንጉስ ማቄዳ፡+ ሓደ፣ ንጉስ ቤት-ኤል፡+ ሓደ፣ 17 ንጉስ ታጱኣ፡ ሓደ፣ ንጉስ ሔፈር፡ ሓደ፣ 18 ንጉስ ኣፌቅ፡ ሓደ፣ ንጉስ ላሻሮን፡ ሓደ፣ 19 ንጉስ ማዶን፡ ሓደ፣ ንጉስ ሓጾር፡+ ሓደ፣ 20 ንጉስ ሺምሮን-ሜሮን፡ ሓደ፣ ንጉስ ኣክሻፍ፡ ሓደ፣ 21 ንጉስ ታዓናክ፡ ሓደ፣ ንጉስ መጊዶ፡ ሓደ፣ 22 ንጉስ ቀደሽ፡ ሓደ፣ ንጉስ ዮቅነዓም+ ኣብ ቀርሜሎስ፡ ሓደ፣ 23 ንጉስ ዶር ኣብ ዓቐበት ዶር፡+ ሓደ፣ ንጉስ ጎይም ኣብ ጊልጋል፡ ሓደ፣ 24 ንጉስ ቲርጻ፡ ሓደ፣ ብድምር 31 ነገስታት። 1 ድሕሪ ሞት ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ የሆዋ ንእያሱ* ወዲ ነዌ፡ ኣገልጋሊ+ ሙሴ ኸምዚ በሎ፦+ 2 “ሙሴ ጊልያይ ሞይቱ እዩ።+ ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ዮርዳኖስ ተሳገር፣ ንስኻ ምስ ኵሉ እዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ኣነ ንዓታቶም፡ ንህዝቢ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ኺድ።+ 3 ከምቲ ንሙሴ ዘተስፎኽዎ፡ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ኽህበኩም እየ።+ 4 ሃገርኩም ካብ በረኻ ኽሳብ ሊባኖስ፡ ክሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፡—ኵላ ምድሪ ሔታውያን፡+—ብምዕራብ* ከኣ ክሳብ እቲ ዓብዪ ባሕሪ* ኪኸውን እዩ።+ 5 ምሉእ ዕድሜኻ ኺቃወመካ ዚኽእል የልቦን።+ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ።+ ኣይክጥንጥነካን፡ ኣይክሓድገካን እውን እየ።+ 6 ነዚ ህዝቢ እዚ ነታ ኽህቦም ኢለ ንኣቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ+ እተውርሶ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ትባዕን በርትዕን።+ 7 “ሓንትስ ትባዕ፡ ኣዚኻ በርትዕ፡ ብዘሎ እቲ ጊልያይ ሙሴ ዝኣዘዘካ ሕጊ ድማ ተጠንቂቕካ ሓሉ። ኣብ እትኸዶ ዘበለ ብጥበብ ምእንቲ ኽትመላለስ፡+ ካብኡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይተላግስ።+ 8 ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ ኽትሕልዎስ፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይፈለ፡+ መዓልትን ለይትን ከኣ ብትሕቲ መልሓስካ ኣንብቦ።*+ ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።+ 9 ‘ትባዕን በርትዕን’ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ እትኸዶ ዘበለ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ወይ ኣይትፍራህ።”+ 10 ሽዑ፡ እያሱ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 11 “ብማእከል እቲ ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ተሳጊርኩም፡ ነታ የሆዋ ኣምላኽኩም ክትርስተይዋ ዚህበኩም ምድሪ ኽትኣትውዋን ክትርስተይዋን ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉ’ ኢልኩም ኣዝዝዎም።”+ 12 እያሱ ድማ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ከምዚ በሎም፦ 13 “ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ዝኣዘዘኩም ዘክሩ፦+ ‘የሆዋ ኣምላኽኩም ኣዕሪፉኩምን እዛ ምድሪ እዚኣ ሂቡኩምን ኣሎ። 14 ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ማልኩምን ኣብታ ሙሴ ኣብዚ ሸነኽ* ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ኪቕመጡ እዮም፣+ ኵልኹም ሓያላት ጀጋኑ+ ግና ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ተሰሊፍኩም ተሳገሩ።+ 15 የሆዋ ኸምቲ ንዓኻትኩም ዘዕረፈኩም፡ ንኣሕዋትኩም ክሳዕ ዜዕርፎም፡ ንሳቶም እውን ነታ የሆዋ ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ፡ ሓግዝዎም። ድሕሪኡ፡ ናብታ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዮርዳኖስ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝሃበኩም ምድሪ፡ ናብታ ኽትርስተይዋ እተዋህበትኩም ምድሪ ተመሊስኩም ተረስተይዋ።’”+ 16 ንሳቶም ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “ዝኣዘዝካና ዅሉ ንገብር፡ ናብ ዝሰደድካና ዘበለ እውን ንኸይድ።+ 17 ከምቲ ዅሉ እቲ ሙሴ ዝበሎ ዝሰማዕና፡ ንዓኻ እውን ክንሰምዓካ ኢና። ሓንትስ የሆዋ ኣምላኽካ ደኣ ኸምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹን።+ 18 ካብ ትእዛዝካ ዝዓለወን ንዅሉ እትእዝዞ ዘይእዘዝን ዘበለ ሰብ ይቀተል።+ ሓንትስ ትባዕን በርትዕን።”+ 8 የሆዋ ድማ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ “ኣይትፍራህ፡ ወይ ኣይትሸበር።+ ኵሎም ተዋጋእቲ ወሲድካ፡ ናብ ዓይ ደይብ። ርአ፡ ንንጉስ ዓይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።+ 2 ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካያ፡ ንዓይን ንንጉሳን እውን ከምኡ ግበራ፣+ ምርኮኣን ማላን ግና ንርእስኻ ኽትዘምት ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ደባይ ግበረላ።” "3 እያሱን ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ህዝብን ከኣ ናብ ዓይ ደየቡ። እያሱ ኸኣ 30,000 ሓያላት ጀጋኑ ሓርዩ፡ ብለይቲ ሰደዶም።" 4 ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ርኣዩ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ ኣድቢኹም ጽንሑ። ካብታ ኸተማ ኣዚኹም ኣይትርሓቑ፣ ኵላትኩም ድሉዋት ኩኑ። 5 ኣነን ኵሉ እቲ ምሳይ ዘሎ ህዝብን ከኣ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና፣ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኪጻረሩና ምስ ወጹ፡+ ካባታቶም ከነንሳሕብ ኢና። 6 ደድሕሬና ምስ ወጹ፡ ‘ከምቲ ናይ ቀዳማይ ካባና የንሳሕቡ ኣለዉ’ ኺብሉ እዮም እሞ፡+ ካብታ ኸተማ ኽንስሕቦም ኢና። ካባታቶም ድማ ከነንሳሕብ ኢና። 7 ሽዑ፡ ካብቲ ዘድበኹምሉ ተንሲእኩም፡ ነታ ኸተማ ሓዝዋ፣ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ። 8 ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ፡ ብሓዊ ተኵስዋ።+ ከም ቃል የሆዋ ግበሩ። ርኣዩ፡ ኣዚዘኩም ኣለኹ።” 9 እያሱ ድማ ሰደዶም፡ ናብታ ዜድብዩላ ቦታ ኸኣ ከዱ፣ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን፡ ብምዕራብ ዓይ ኰኑ፣ እያሱ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ሓደረ። 10 እያሱ ኣንጊሁ ምስ ተንስአን ነቲ ሰራዊት ምስ ኣከቦን፡ ንሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንዓታቶም ናብ ዓይ መርሕዎም። 11 ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ተዋጋእቲ ደየቡ፡+ ናብ ቅድሚ እታ ኸተማ ድማ ቀረቡ። ብሰሜን ዓይ ከኣ ሰፈሩ፡ እቲ ስንጭሮ ድማ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ዓይን ነበረ። "12 ምስናይዚ ድማ፡ 5,000 ሰባት ወሲዱ፡ ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን+ ዓይን፡ ብምዕራብ እታ ኸተማ ኸም ዜድብዩ ገበሮም።+" 13 እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሰሜን እታ ኸተማ ቐንዲ ሰፈር ገበረ፣+ እቶም ደባይ ድማ ብምዕራብ እታ ኸተማ ነበሩ፣+ እያሱ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ስንጭሮ* ኸደ። 14 ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ንእስራኤል ብውግእ ኪቀባበልዎ ኣብ መንጽር እቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ናብ እትርከብ ቦታ ወጹ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኣድብዮምሉ ኸም ዘለዉ ግና ኣይፈለጠን ነበረ። 15 ሰብ ዓይ ምስ ኣጥቅዑ፡ እያሱን ኵሉ እስራኤልን ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሃደሙ።+ 16 ሽዑ፡ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፡ ኪስዕብዎም ብጻውዒት ተኣከቡ። ንእያሱ ኺስዕብዎ ኸለዉ ድማ፡ ካብታ ኸተማ ተሳሕቡ። 17 ኣብ ዓይን ኣብ ቤት-ኤልን ደድሕሪ እስራኤል ኪስዕብ ዘይወጸ ሰብኣይ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ጋህ ኣቢሎም ሓዲጎም፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ። 18 የሆዋ ኸኣ ንእያሱ፡ “ንዓይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ኣብ ኢድካ ዘሎ መዝረቕ* ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሕ”+ በሎ። እያሱ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ መዝረቕ ናብታ ኸተማ ኣቢሉ ዘርግሖ። 19 ኢዱ ምስ ዘርግሓ፡ እቶም ደባይ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ናብታ ኸተማ ጐይዮም ኣትዮም ሓዝዋ። ብኡብኡ ኸኣ ብሓዊ ተኰስዋ።+ 20 ሰብ ዓይ ንድሕሪት ግልጽ ምስ በሉ፡ ትኪ እታ ኸተማ ናብ ሰማይ ኪድይብ ረኣዩ፣ ናብ ዝዀነ ኣንፈት ኪሃድሙ ድማ ብርታዐ ኣይነበሮምን። ሽዑ፡ እቶም ናብ በረኻ ዚሃድሙ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ናብቶም ዚስዕብዎም ዝነበሩ ተመልሱ። 21 እያሱን ኵሉ እስራኤልን፡ እቶም ደባይ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፡ ትኪ እታ ኸተማ ኸኣ ኪድይብ ምስ ርኣዩ፡ ተመሊሶም ንሰብ ዓይ ኣጥቅዕዎም። 22 እቶም ካልኦት እውን ኪቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ፣ ገሊኦም እስራኤላውያን በዚ፡ ገሊኦም ከኣ በቲ ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ሰብ ዓይ ኣብ ማእከል ተቐርቀሩ። ንሳቶም ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ወይ ከየምለቑ ወቕዕዎም።+ 23 ንንጉስ ዓይ+ ግና ብህይወቱ ኸሎ ሓዝዎ፡ ናብ ቅድሚ እያሱ ኸኣ ኣምጽእዎ። 24 እስራኤል ንዅሎም ነበርቲ ዓይ ኣብቲ ዝሰዓብዎም መሮር፡ ኣብ በረኻ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ኵላቶም ክሳዕ ዚውድኡ ድማ ብሰይፊ ምስ ወደቑ፡ ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ዓይ ተመሊሶም፡ ብሰይፊ ወቕዕዋ። "25 ኵሎም እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ኵሎም ሰብ ዓይ 12,000 ነበሩ።" 26 እያሱ ኸኣ ንዅሎም ነበርቲ ዓይ ክሳዕ ዜጥፍኦም፡+ ነታ መዝረቕ ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን።+ 27 ግናኸ፡ እስራኤል ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ማልን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ንርእሶም ወሰዱ።+ 28 እያሱ ድማ ንዓይ ኣንደዳ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ንሓዋሩ ዅምራ ዑናታት ገበራ።+ 29 ንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ጕንዲ* ሰቐሎ፣ ጸሓይ ክትዓርብ ምስ በለት ከኣ፡ እያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ጕንዲ ኼውርድዎ ኣዘዘ።+ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደርብዮም ድማ፡ ኣብ ልዕሊኡ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። 30 ሽዑ፡ እያሱ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባል+ መሰውኢ ሰርሓሉ። 31 ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝኣዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ፡+ “ካብ ዘይተወቕረ፡ ናውቲ ሓጺን ካብ ዘይተንከዮ ኣእማን መሰውኢ” ሰርሐ።+ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ሰውኡሉ።+ 32 ኣብኡ ኣብቲ ኣእማን ድማ፡ ቅዳሕ እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝጸሓፎ ሕጊ ጸሓፈ።+ 33 ብዘለዉ እስራኤልን ዓበይቶምን ኣሕሉቖምን ፈራዶኦምን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ታቦት፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ንታቦት ኪዳን የሆዋ ጾይሮም ዝነበሩ ሌዋውያን ካህናት ደው ኢሎም ነበሩ። ጓኖት ኰኑ ደቂ ዓዲ እውን ኣብኡ ነበሩ።+ ንህዝቢ እስራኤል ኪባርኹ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ኣቐዲሙ ዝኣዘዞም፡+ ፍርቆም ኣብ ቅድሚ ኸረን ጌሪዚም፡ ፍርቆም ከኣ ኣብ ቅድሚ ከረን ዔባል+ ደው በሉ። 34 ድሕርዚ፡ ንሱ ንዅሉ ቓላት እቲ ሕጊ፡ እቲ በረኸትን+ እቲ መርገምን፡+ ከም ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ዓው ኢሉ ኣንበቦ።+ 35 ካብ ኵሉ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ እያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል፡ እንተላይ ኣብ ቅድሚ ኣንስትን ቈልዑን ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ* ጓኖትን፡+ ዓው ኢሉ ዘየንበቦ ቓል ኣይነበረን።+ 11 ያቢን ንጉስ ሓጾር ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን+ ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍን፡+ 2 ናብቶም ኣብ ሰሜናዊ ኣኽራንን ኣብ ጐላጕል* ደቡብ ኪነረትን ኣብ ሼፈላን ብምዕራብ ኣብ ዓቐበት ዶርን+ ዝነበሩ ነገስታት፡ 3 ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነኣናውያንን+ ናብ ኣሞራውያንን+ ናብ ሔታውያንን ናብ ፈረዛውያንን ኣብ ኣኽራን ናብ ዝነበሩ ይቡሳውያንን ኣብ እግሪ ሄርሞን+ ኣብ ምድሪ ሚጽጳ ናብ ዝነበሩ ሒዋውያንን+ ለኣኸ። 4 ንሳቶም ከኣ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም፡ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ብዙሕ ህዝቢ፡ ምስ ኣዝዮም ብዙሓት ኣፍራስን ሰረገላታትን ወጹ። 5 ኵሎም እዞም ነገስታት እዚኦም ከኣ ኪራኸቡ ተሰማምዑ፣ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ድማ፡ መጺኦም ኣብ ማይ ሜሮም ብሓደ ሰፈሩ። 6 የሆዋ ኸኣ ንእያሱ፡ “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ፡ ኣነ ንዅላቶም ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፡ ብሰንኮም ኣይትፍራህ።+ ኣፍራሶም ክትቅንጅብ፡+ ሰረገላታቶም እውን ብሓዊ ኸተንድድ ኢኻ” በሎ። 7 እያሱ ምስ ኵሎም ተዋጋእቲ ህዝቢ፡ ኣብ ጥቓ ማይ ሜሮም ብድንገት ኣጥቅዖም። 8 የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ እስራኤል ሃቦም፣+ ንሳቶም ከኣ ሰዓርዎም፡ ክሳብ እታ ዓባይ ሲዶንን+ ክሳብ ሚስረፎት-ማይምን+ ብምብራቕ ድማ ክሳብ ስንጭሮ ሚጽጰን እውን ሰጐጕዎም፣ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ኸኣ ወቕዕዎም።+ 9 እያሱ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ገበሮም፣ ኣፍራሶም ቀንጀበ፡ ሰረገላታቶም እውን ብሓዊ ኣንደደ።+ 10 ሓጾር ኣቐዲማ ርእሲ ዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ስለ ዝነበረት፡ እያሱ ተመሊሱ ንሓጾር ሓዛ፡ ንንጉሳ ኸኣ ብሰይፊ ወቕዖ።+ 11 ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉ* ድማ ብሰይፊ ወቒዖም፡ ኣጥፍእዎም።+ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ ንሓጾር ከኣ ብሓዊ ኣንደዳ። 12 እያሱ ድማ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኦም ሓዘን፡ ንነገስታተን ከኣ ብሰይፊ ሰዓሮም።+ ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዞ ድማ፡ ኣጥፍኦም።+ 13 ግናኸ፡ እስራኤል ካብተን ኣብ ኵርባታት ዘለዋ ኸተማታት፡ ብዘይካ ሓጾር፡ ሓንቲ እኳ ኣየንደደን፣ ንዓኣ ጥራይ እዩ እያሱ ዘንደዳ። 14 ኵሉ ምርኮ እዘን ከተማታት እዚአንን ማለንን፡ እስራኤላውያን ንርእሶም ዘመትዎ።+ ንዅሎም ሰባት ግና፡ ክሳዕ ዜጥፍእዎም፡ ብሰይፊ ወቕዕዎም።+ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ኣየትረፉን።+ 15 ከምቲ የሆዋ ንጊልያኡ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ሙሴ ንእያሱ ኣዘዞ፡+ እያሱ እውን ከምኡ ገበረ። ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞስ፡ ሓንቲ እኳ ኣይሓደገን።+ 16 እያሱ ኸኣ ንዅላ እታ ምድርን ንኣኽራንን ንዅላ ነጌብን+ ንዅላ ምድሪ ጎሼንን ንሼፈላን+ ንዓራባን+ ንኣኽራን እስራኤልን ነቲ ናቱ ሼፈላን* ሓዘ፣ 17 ካብቲ ናብ ሰዒር ዜደይብ ከረን ሓላቅ ክሳብ እቲ ኣብ ስንጭሮ ሊባኖስ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን+ ዘሎ በዓል-ጋድ+ ሓዘ፣ ንዅሎም ነገስታቶም እውን ሓዞም፡ ስዒሩ ድማ ቀተሎም። 18 እያሱ ምስ ኵሎም እዞም ነገስታት እዚኦም ንነዊሕ ግዜ ተዋግአ። 19 ብዘይካ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩ ሒዋውያን ከኣ፡ ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን።+ ንዅለን ተዋጊኦም ሓዝወን።+ 20 ብዘይ ምሕረት ምእንቲ ኼጥፍኦም፡+ ልቦም ኪተርር እሞ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ዝፈቐደ የሆዋ እዩ።+ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኪጠፍኡ ነበሮም።+ 21 በታ ግዜ እቲኣ፡ እያሱ ንዓናቂም+ ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮንን ካብ ደቢርን ካብ ዓናብን ካብ ኵሉ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ኵሉ ኣኽራን እስራኤልን ደምሰሶም። እያሱ ድማ ንዓታቶምን ንኸተማታቶምን ኣጥፍአ።+ 22 ኣብ ምድሪ እስራኤል፡ ካብ ዓናቂም ዝተረፈ ኣይነበረን፣ ኣብ ጋዛን+ ኣብ ጋትን+ ኣብ ኣሽዶድን+ ጥራይ ተረፉ።+ 23 እያሱ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዘተስፈዎ፡ ንዅላ እታ ምድሪ ሓዛ፣+ ሽዑ፡ እያሱ ንእስራኤል ርስቲ ኽትከውን፡ በብግዲኦም ኣብ መንጎ ነገዳቶም ክትመቓቐል ሃቦም።+ እታ ምድሪ ድማ ካብ ውግእ ዓረፈት።+ 2 እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ንኽልተ ሰባት፡ “ኬድኩም ነታ ምድሪ፡ ብፍላይ ንያሪኮ መርምርዋ” ኢሉ ኺስልዩ ኻብ ሺጢም+ ብሕቡእ ሰደዶም። ንሳቶም ከኣ ከይዶም፡ ናብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ መጹ፡+ ኣብኣ እውን ጸንሑ። 2 ንንጉስ ያሪኮ ድማ፡ “እንሆ፡ እስራኤላውያን ሰባት ነዛ ምድሪ እዚኣ ኺስልይዋ፡ ሎሚ ለይቲ ናብዚ መጺኦም ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ። 3 እቲ ንጉስ ከኣ፡ “እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝኣተዉ ሰባት፡ ንብዘላ ምድሪ ኺስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮም” ኢሉ ናብ ረሃብ ለኣኸ። 4 እታ ሰበይቲ ግና ነቶም ክልተ ሰባት ወሲዳ ሓብኣቶም። ከምዚ ድማ በለት፦ “እወ፡ ሰባትሲ መጺኦምኒ ነይሮም፣ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን። 5 እቶም ሰባት ከኣ በታ ኣፍ ደገ ኸተማ እትዕጸወላ ግዜ፡ ብጸልማት ወጺኦም። ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን፣ ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም እንተ ስዒብኩም ግና፡ ከተርክብዎም ኢኹም።” 6 (ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ኣደይባ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ዝነበረ ብርዒ እንጣጢዕ ሓቢኣቶም ነበረት።) 7 እቶም ሰባት ድማ ናብ ኣንፈት መሳገሪታት ዮርዳኖስ ኣቢሎም ደድሕሪኦም ሰዓቡ፣+ እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸኣ፡ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ተዓጽወ። 8 እቶም ሰባት ቅድሚ ምድቃሶም፡ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት። 9 ነቶም ሰባት ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዚህበኩም፡+ ብኣኻትኩም ድማ ፈሪህና ኸም ዘለና እፈልጥ እየ።+ ኵሎም ነበርቲ እዛ ምድሪ ብሰንክኹም ጃጅዮም እዮም።+ 10 ከመይሲ፡ ካብ ግብጺ ኽትወጹ ኸለኹም፡ የሆዋ ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡+ ነቶም ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዝነበሩ ዘጥፋእክዎም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ማለት ንሲሆንን+ ንዖግን+ ከኣ ዝገበርኩምዎም ሰሚዕና ኢና። 11 የሆዋ ኣምላኽኩም ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያትን ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድርን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እዚ ምስ ሰማዕና፡ ልብና መኺኹ፡ ብሰንክኹም ከኣ ሓደ እኳ ትብዓት ኣይነበሮን።*+ 12 ሕጂ ድማ በጃኹም፡ ከምቲ ኣነ ብተኣማንነት ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንቤተ ሰብ ኣቦይ ብተኣማንነት ከተፍቅሩ፡ ብየሆዋ ምሓሉለይ፣ ዜተኣማምን ምልክት ከኣ ሃቡኒ። 13 ንኣቦይን ንኣደይን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ናታቶም ንዘበለ ዅሉን ብህይወት ሕደግዎም፡ ካብ ሞት ድማ ኣድሕኑና።”*+ 14 እቶም ሰባት ከኣ፡ “ኣብ ክንዳኹምሲ ህይወትና ትሕለፍ!* ብዛዕባ ተልእኾና እንተ ዘይነጊርኩም፡ የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሃበና፡ ብተኣማንነት ከነፍቅረክን ተኣማንነት ከነርእየክን ኢና” በልዋ። 15 ድሕሪኡ፡ ቤታ ኣብ ጐድኒ እቲ መካበብያ ኸተማ ነበረት እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኰት ኣውረደቶም። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ድማ ትቕመጥ ነበረት።+ 16 ንሳ ኸኣ፡ “ናብ ኣኽራን ኪዱ፡ እቶም ዚደልዩኹም ኸይረኽቡኹምሲ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ። ድሕሪኡ፡ ደለይትኹም ምስ ተመልሱ፡ መገድኹም ኪዱ” በለቶም። 17 እቶም ሰባት ከኣ ከምዚ በልዋ፦ “ንሕና ኻብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንጹሃት ክንከውን ኢና፣+ 18 ንስኺ ግዳ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኽንኣቱ ኸለና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ እንወርደሉ መስኰት እሰርዮ። ንኣቦኽን ንኣዴኽን ንኣሕዋትክን ንዅሎም ቤተ ሰብ ኣቦኽን ምሳኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም።+ 19 ካብ ማዕጾ ቤትኪ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ድማ ንጹሃት ንኸውን። ምሳኺ ኣብ ቤት ንዝጸንሐ ዘበለ ጕድኣት እንተ ረኺብዎ* ግና፡ ደሙ ኣብ ርእስና ኪኸውን እዩ። 20 ተልእኾና እንተ ነጊርኪ ግና፡+ ካብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንጹሃት ክንከውን ኢና።” 21 ንሳ ድማ፡ “ከም ቃልኩም ይኹን” ኢላ መለሰት። ሽዑ፡ ሰደደቶም፡ ንሳቶም እውን ከዱ። ንሳ ኸኣ ነቲ ቐይሕ ገመድ ኣብቲ መስኰት ኣሰረቶ። 22 ንሳቶም ከኣ ከይዶም፡ ናብ ኣኽራን መጹ፣ ኣብኡ ድማ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ፡ ሰለስተ መዓልቲ ጸንሑ። እቶም ደለይቲ ኣብ ኵሉ መገዲ ደለይዎም፡ ግናኸ ኣይረኸብዎምን። 23 ሽዑ፡ እቶም ክልተ ሰባት ካብቲ ኣኽራን ወሪዶም፡ ነቲ ፈለግ ተሳጊሮም ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹ። ዝረኸቦም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ነገርዎ። 24 ንእያሱ ድማ፡ “የሆዋ ንብዘላ እታ ምድሪ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ።+ ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ እውን፡ ብሰንክና ጃጅዮም ኣለዉ” በልዎ።+ 4 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ የሆዋ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ 2 “ካብ ህዝቢ 12 ሰብኡት፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ውሰዱ፣+ 3 ‘ካብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር እቶም ካህናት ከይተንቀሳቐሳ ዝቘማላ ቦታ 12 እምኒ ኣልዕሉ፡+ ምሳኻትኩም ወሲድኩም ከኣ ኣብታ እትሓድሩላ ቦታ ኣንብርዎ’ ኢልኩም ድማ ኣዝዝዎም።”+ 4 እያሱ ኸኣ ካብ እስራኤላውያን ሸይምዎም ዝነበረ 12 ሰብኡት፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ጸውዐ፣ 5 እያሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ቀቅድሚ ታቦት የሆዋ ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብቝጽሪ ነገዳት እስራኤላውያን ሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኵቡ የልዕል፣ 6 እዚ ኸኣ ኣብ መንጎኹም ምልክት ኪኸውን እዩ። ኣብ መጻኢ፡ ደቅኹም፡ ‘እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧’ ኢሎም እንተ ሓቲቶምኹም፡+ 7 ‘ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን የሆዋ ስለ ዘቋረጸ እዩ።+ ንሱ ብዮርዳኖስ ኪሳገር ከሎ፡ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ። እዚ ኣእማን እዚ ንህዝቢ እስራኤል ንሓዋሩ መዘከርታ ኪኸውን እዩ’ በልዎም።”+ 8 እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ እያሱ ዝኣዘዞም ገበሩ። ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝበሎ፡ ብቝጽሪ ነገዳት እስራኤላውያን ካብ ማእከል ዮርዳኖስ 12 እምኒ ኣልዓሉ። ናብታ ዚሓድሩላ ቦታ ወሲዶም ድማ፡ ኣብኡ ኣንበርዎ። 9 እያሱ እውን ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቘማላ ቦታ 12 እምኒ ኣቘመ፣+ እተን ኣእማን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብኣ ኣለዋ። 10 ኵሉ እቲ የሆዋ ንእያሱ፡ ነቶም ህዝቢ ኺገብርዎ ኢሉ ኺነግሮም ዝኣዘዞ ነገር፡ ከምቲ ሙሴ ንእያሱ ዝኣዘዞ ዀይኑ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ኻህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ ቈሙ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ቀልጢፎም ተሳገሩ። 11 ኵሉ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ እቲ ታቦት የሆዋን እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገሩ።+ 12 ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡+ ተሰሊፎም ቀቅድሚ እስራኤላውያን ተሳገሩ።+ "13 ኣስታት 40,000 ንውግእ እተዓጥቁ ተዋጋእቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ጐላጕል ምድረ በዳ ያሪኮ ተሳገሩ። " 14 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ፣+ ከምቲ ንሙሴ ብዙሕ ዘኽበርዎ* ድማ፡ ንዕኡ እውን ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ብዙሕ ኣኽበርዎ።+ 15 የሆዋ ኸኣ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ 16 “ነቶም ታቦት+ ምስክር ዝጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ኪድይቡ ኣዝዞም።” 17 እያሱ ድማ ነቶም ካህናት፡ “ካብ ዮርዳኖስ ደይቡ” ኢሉ ኣዘዞም። 18 እቶም ታቦት ኪዳን የሆዋ ዝጾሩ ኻህናት+ ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ምስ ደየቡን ከብዲ ኣእጋር እቶም ካህናት ኣብ ንቑጽ ምድሪ ምስ ረገጻን፡ ማይ ዮርዳኖስ ከም ቀደሙ ዋሕዙ ቐጸለ፡ ገማግሙ ድማ መልአ።+ 19 እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ደዪቦም፡ ኣብ ጊልጋል፡+ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ያሪኮ ሰፈሩ። 20 እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ 12 እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቘሞ።+ 21 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣብ መጻኢ፡ ደቅኹም ንኣቦታቶም፡ ‘እዚ ኣእማን እዚ እንታይ እዩ፧’ ኢሎም ምስ ዚሓትትዎም፡+ 22 ንደቅኹም ከምዚ በልዎም፦ ‘እስራኤል ንዮርዳኖስ ብንቑጽ ምድሪ ተሳገሮ፣+ 23 ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘንቀጾ፡ የሆዋ ኣምላኽኩም ክሳዕ ዚሳገሩ ኣብ ቅድሚኦም ንማይ ዮርዳኖስ ኣንቀጾ።+ 24 ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃና ምእንቲ ኺፈልጡ፡+ ንስኻትኩም እውን ንየሆዋ ኣምላኽኩም ወትሩ ምእንቲ ኽትፈርህዎ እዩ።’” 16 ንደቂ ዮሴፍ+ ዝበጽሖም ዕጫ፡+ ካብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ናብቲ ብምብራቕ ያሪኮ ዘሎ ማያት፡ ካብ ያሪኮ ናብ ኣኽራን ቤት-ኤል ዜደይብ በረኻ እዩ።+ 2 ካብ ቤት-ኤል ናይ ሉዝ ወጺኡ ኸኣ፡ ክሳብ እታ ኣብ ዶብ ኣርካውያን ዘላ ዓጣሮት ሓለፈ፣ 3 ናብ ምዕራብ ናብ ዶብ ያፍለጣውያን ድማ፡ ክሳብ ዶብ ታሕተዋይ ቤት-ሖሮንን+ ጌዘርን+ ወረደ፡ ኣብ ባሕሪ ኸኣ ኣብቅዐ። 4 ደቂ ዮሴፍ፡+ ምናሴን ኤፍሬምን፡ ድማ ርስቶም ወሰዱ።+ 5 ዶብ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ዶብ ርስቶም፡ ብምብራቕ ዓጣሮት-ኣዳር+ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት-ሖሮን+ እዩ፣ 6 እቲ ዶብ ድማ ናብ ባሕሪ ወጸ። ሚክመታት+ ኣብ ሰሜን ነበረት፣ እቲ ዶብ ናብ ምብራቕ ናብ ታኣናት-ሺሎ ዞይሩ ኸኣ፡ ናብ ምብራቕ ናብ ያኖኣ ሓለፈ። 7 ካብ ያኖኣ ድማ ናብ ዓጣሮትን ናዓራን ወሪዱ፡ ናብ ያሪኮ+ በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ወጸ። 8 እቲ ዶብ ካብ ታጱኣ+ ናብ ምዕራብ ናብ ርባ ቃና ኸይዱ፡ ኣብ ባሕሪ ኣብቅዐ።+ ርስቲ ነገድ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፣ 9 ደቂ ኤፍሬም ኣብ ማእከል ርስቲ ምናሴ እተኸብባ ኸተማታት፡ ኵለን እተን ከተማታትን ሰፈራተንን እውን ነበራኦም።+ 10 ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር+ ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኣይሰጐጕዎምን፣ እቶም ከነኣናውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ መንጎ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፡+ ብግዲ ዚሽቅሉ ኸኣ ኰኑ።+ 6 ያሪኮ ድማ ብምኽንያት እስራኤላውያን ተዓጻጽያ ነበረት፣ ዚወጽእ ኰነ ዚኣቱ እውን ኣይነበረን።+ 2 የሆዋ ኸኣ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ “ርአ፡ ያሪኮን ንጉሳን ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።+ 3 ኵልኹም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማ ሓንሳእ ብምዅላል፡ ነታ ኸተማ ዙርዋ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ። 4 ሸውዓተ ኻህናት ድማ ቀቅድሚ ታቦት ኰይኖም ሸውዓተ መለኸት ድዑል ይሓዙ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ዙርዋ፡ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ።+ 5 እቲ መለኸት ድዑል ምስ ተነፍሐ፡ ደሃይ መለኸት ከኣ ምስ ሰማዕኩም፡* ኵሉ እቲ ህዝቢ ጭድርታ ውግእ ይጨድር። ሽዑ፡ መካበብያ እታ ኸተማ ናብ ታሕቲ ኺወድቕ እዩ፣+ እቲ ህዝቢ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ይደይብ።” 6 እያሱ ወዲ ነዌ ኸኣ ነቶም ካህናት ጸዊዑ፡ “ታቦት ኪዳን ጹሩ፡ ሸውዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት የሆዋ ዀይኖም ሸውዓተ መለኸት ድዑል ይሓዙ” በሎም።+ 7 ነቶም ህዝቢ ድማ፡ “ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፡ እቲ ዕጡቕ ሰራዊት+ ከኣ ቀቅድሚ ታቦት የሆዋ ይሕለፍ” በሎም። 8 እያሱ ነቲ ህዝቢ ምስ ተዛረቦ፡ እቶም ሸውዓተ ኻህናት ሸውዓተ መለኸት ድዑል ሒዞም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓለፉ፡ መለኸት ድማ ነፍሑ፣ ታቦት ኪዳን የሆዋ ኸኣ ይስዕቦም ነበረ። 9 እቲ ዕጡቕ ሰራዊት ድማ ቀቅድሚ እቶም መለኸት ዚነፍሑ ዝነበሩ ኻህናት ይኸይድ ነበረ፣ እቲ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ ኸኣ፡ እቲ ደጀን ነቲ ታቦት ይስዕቦ ነበረ። 10 እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣይትጨድሩ፡ ድምጽኹም ከኣ ኣይተስምዑ። ክሳዕ እታ ኣነ፡ ‘ጨድሩ!’ ዝብለኩም መዓልቲ፡ ካብ ኣፍኩም ቃል እኳ ኣይትውጻእ። ሽዑ፡ ጨድሩ” ኢሉ ኣዘዞም። 11 ንታቦት የሆዋ ኸኣ ነታ ኸተማ ብምዅላል፡ ሓንሳእ ከም ዚዞራ ገበሮ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ሰፈር ተመሊሶም፡ ኣብኡ ሓደሩ። 12 ንጽብሒቱ፡ እያሱ ኣንጊሁ ተንስአ፣ እቶም ካህናት ከኣ ንታቦት የሆዋ ጾርዎ።+ 13 ሸውዓተ መለኸት ድዑል ዝሓዙ ሸውዓተ ኻህናት ድማ ቀቅድሚ ታቦት የሆዋ እናኸዱ፡ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። እቲ ዕጡቕ ሰራዊት ከኣ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፣ እቲ መለኸት ኪንፋሕ ከሎ ድማ፡ እቲ ደጀን ነቲ ታቦት የሆዋ ይስዕቦ ነበረ። 14 ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ዞይሮም፡ ናብ ሰፈር ተመልሱ። ሽዱሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ።+ 15 ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ምስ ወግሐ፡ ኣንጊሆም ተንስኡ፣ ነታ ኸተማ ድማ ከምኡ ገይሮም ሸውዓተ ሳዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ እዮም ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ዝዞርዋ።+ 16 ኣብታ ሻውዐይቲ ሳዕ ከኣ፡ እቶም ካህናት መለኸት ምስ ነፍሑ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “የሆዋ ነዛ ኸተማ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ጨድሩ!+ 17 እዛ ኸተማን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንጥፍኣት ተመጥዩ እዩ፣+ ኵሉ ናይ የሆዋ እዩ። ረሃብ+ እታ ኣመንዝራ ጥራይ፡ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤታ ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ።+ 18 ግናኸ፡ ንስኻትኩም ነቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ተመኒኹም፡ ካብኡ ገለ ኸይትወስዱ እሞ፡+ ኣብ ልዕሊ ሰፈር እስራኤል መዓት ብምምጻእ* ንጥፍኣት እተመጠወ ኸይትገብርዎስ፡+ ካብቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ተሓለዉ።+ 19 ኵሉ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑ ነሓስን ሓጺንን ግና ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹን።+ ናብ መዝገብ የሆዋ ይእቶ።”+ 20 ሽዑ፡ መለኸት ምስ ተነፍሐ፡ እቶም ህዝቢ ጨደሩ።+ እቶም ህዝቢ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዖም ዓብዪ ጭድርታ ውግእ ምስ ጨደሩ፡ እቲ መካበብያ ናብ ታሕቲ ወደቐ።+ ድሕሪኡ፡ እቲ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ፡ ናብታ ኸተማ ደየበ፣ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ። 21 ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸኣ፡ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ቈልዓን ኣረጊትን፡ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብሰይፊ ኣጥፍእዎም።+ 22 እያሱ ድማ ነቶም ነታ ምድሪ ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኡት፡ “ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ እተዉ እሞ፡ ከምቲ ዝመሓልኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ናታ ንዘበለ ዅሉን ኣውጽኡ” በሎም።+ 23 እቶም ኣጕባዝ ሰለይቲ ድማ ኣትዮም ንረሃብን ንኣቦኣን ንኣዲኣን ንኣሕዋታን ናታ ንዘበለ ዅሉን ኣውጽኡ፣ እወ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ኣውጽኡ፣+ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል ናብ ዚርከብ ቦታ ኸኣ ብደሓን ኣውጽእዎም። 24 ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ድማ ብሓዊ ኣንደዱ። ብሩርን ወርቅን ኣቕሑ ነሓስን ሓጺንን ግና፡ ንመዝገብ ቤት የሆዋ ሃቡ።+ 25 እያሱ ንረሃብ እታ ኣመንዝራን ንቤተ ሰብ ኣቦኣን ናታ ንዘበለ ዅሉን ጥራይ ነሓፈ፣+ ንሳ ነቶም ንያሪኮ ኺስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም፡+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ እስራኤል ትነብር ኣላ።+ 26 በታ ግዜ እቲኣ፡ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሓለ፦* “ነዛ ኸተማ ያሪኮ እዚኣ ዳግም ኪሰርሓ ኢሉ ዚልዓል፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርጉም ይኹን። መሰረታ ኼንብር ከሎ፡ በዅሪ ወዱ ይስኣን፣ መዓጹኣ ኬቕውም ከሎ ድማ፡ ሕሳስ ልደ ወዱ ይስኣን።”+ 27 የሆዋ ኸኣ ምስ እያሱ ነበረ፡+ ዝናኡ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ተዘርግሐ።+ 10 ኣዶኒ-ጼዴቅ ንጉስ የሩሳሌም፡ እያሱ ንዓይ ከም ዝሓዛን ከም ዘጥፍኣን፡ ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበራ ድማ፡+ ንዓይን ንንጉሳን ከም ዝገበራ፡+ ነበርቲ ጊብዖን እውን ምስ እስራኤል ሰላም ከም ዝገበሩን+ ኣብ መንጎኦም ከም ዚነብሩን ምስ ሰምዐ፡ 2 ጊብዖን ከም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ኣዝዩ ፈርሀ።+ ንሳስ ካብ ዓይ+ እኳ ትዓቢ ነበረት፡ ኵሎም ሰባ እውን ጀጋኑ ነበሩ። 3 ስለዚ፡ ኣዶኒ-ጼዴቅ ንጉስ የሩሳሌም ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን+ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሽን ናብ ደቢር ንጉስ ዔግሎንን+ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ 4 “ጊብዖን ምስ እያሱን ምስ እስራኤላውያንን ሰላም ስለ ዝገበረት፡ ንዑ ሓግዙኒ እሞ፡ ነጥቅዓያ።”+ 5 ሽዑ፡ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡+ ንጉስ የሩሳሌምን ንጉስ ኬብሮንን ንጉስ ያርሙትን ንጉስ ላኪሽን ንጉስ ዔግሎንን፡ ምስ ሰራዊቶም ተኣከቡ፣ ከይዶም ኪዋግእዋ ድማ፡ ኣብ መንጽር ጊብዖን ሰፈሩ። 6 ሽዑ፡ ሰብ ጊብዖን ናብ እያሱ ናብቲ ኣብ ጊልጋል ዝነበረ ሰፈር ልኢኾም፡+ “ንባሮትካ ኣይትሕደጎም።*+ ቀልጢፍካ ምጻእ እሞ፡ ኣናግፈናን ርድኣናን! ኵሎም እቶም ኣብ ኣኽራን ዚነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ናባና ተኣኪቦም ኣለዉ” በልዎ። 7 እያሱ ኸኣ ምስ ኵሎም ተዋጋእቲ ህዝብን ምስ ኵሎም ሓያላት ጀጋኑን ካብ ጊልጋል ደየበ።+ 8 የሆዋ ድማ ንእያሱ፡ “ንዓታቶም ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ እሞ፡+ ኣይትፍርሃዮም።+ ካባታቶም ሓደ እኳ ኺቃወመካ ኣይክእልን እዩ”+ በሎ። 9 እያሱ ኸኣ ካብ ጊልጋል ምሉእ ለይቲ ተጓዒዙ፡ ብድንገት ኣጥቅዖም። 10 የሆዋ ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሸበሮም፣+ ንሳቶም ከኣ ንዓታቶም ኣብ ጊብዖን ወቒዖም ብዙሓት ቀተሉ፣ ብመገዲ ዓቐበት ቤት-ሖሮን ድማ ሰጐጕዎም፡ ክሳብ ዓዜቃን ማቄዳን ከኣ ወቕዕዎም። 11 ካብ እስራኤል ሃዲሞም፡ ኣብ ቍልቍለት ቤት-ሖሮን ከለዉ፡ ክሳብ ዓዜቃ፡ የሆዋ ዓበይቲ ኣእማን በረድ ካብ ሰማይ ኣውደቐሎም እሞ፡ ሞቱ። ካብቶም ብሰይፊ እስራኤላውያን ዝሞቱስ፡ እቶም ብበረድ ዝሞቱ በዝሑ። 12 በታ የሆዋ ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እስራኤላውያን ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከምዚ በሎ፦ “ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን+ ደው በሊ፡+ኣቲ ወርሒ ድማ፡ ኣብ ስንጭሮ* ኣያሎን!” 13 ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ንጸላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒ እውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻር+ ተጻሒፉዶ የሎን፧ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ደው በለት፡ ምሉእ መዓልቲ ዚኸውን ከኣ ንምዕራብ ኣይቀልጠፈትን። 14 የሆዋ ንእስራኤል ይዋግኣሉ ነበረ እሞ፡+ የሆዋ ድምጺ ሰብ ዝሰምዓላ+ ኸምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን። 15 ድሕርዚ፡ እያሱ ምስ ኵሉ እስራኤል ናብቲ ኣብ ጊልጋል ዝነበረ ሰፈር ተመልሰ።+ 16 እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ፡ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ።+ 17 ንእያሱ ኸኣ፡ “እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ።+ 18 ሽዑ፡ እያሱ፡ “ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከባልሉ፡ ዚሕልውዎም ሰባት ከኣ መድቡ። 19 ዝተረፍኩም ግና ደው ኣይትበሉ። ንጸላእትኹም ስዒብኩም ብድሕሪኦም ውቕዕዎም።+ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም ኣሎ እሞ፡ ናብ ከተማታቶም ኪኣትዉ ኣይተፍቅዱሎም” በሎም። 20 እያሱን እስራኤላውያንን፡ ብዘይካ ገለ ኣምሊጦም ዝተረፉን ናብ እተዓርዳ ኸተማታት ዝኣተዉን፡ ክሳዕ ዚድምሰሱ ወቒዖም ኣመና ብዙሓት ቀቲሎም ምስ ወድኡ፡ 21 ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ እያሱ፡ ናብቲ ኣብ ማቄዳ ዝነበረ ሰፈር ብሰላም ተመልሰ። ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ንእስራኤላውያን ሓንቲ ቓል ኬውስኣሎም* ኣይደፈረን። 22 ሽዑ፡ እያሱ፡ “ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ካብቲ በዓቲ ናባይ ኣውጽእዎም” በለ። 23 ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፡ ማለት ንንጉስ የሩሳሌምን ንንጉስ ኬብሮንን ንንጉስ ያርሙትን ንንጉስ ላኪሽን ንንጉስ ዔግሎንን፡ ካብቲ በዓቲ ናብኡ ኣውጽእዎም።+ 24 ነቶም ነገስታት እቲኦም ናብ እያሱ ምስ ኣውጽእዎም፡ ንሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ጸዊዑ፡ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ኣዘዝቲ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ፡ “ቅረቡ እሞ፡ ኣእጋርኩም ኣብ ዝባን ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኦም ግበሩ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ቀረቡ እሞ፡ ኣእጋሮም ኣብ ዝባን ክሳውዶም ገበሩ።+ 25 እያሱ ድማ፡ “ኣይትፍርሁ፡ ወይ ኣይትሸበሩ።+ የሆዋ ንዅሎም እቶም እትዋግእዎም ጸላእትኹም ከምኡ ኺገብሮም እዩ እሞ፡ ትብዑን በርትዑን” በሎም።+ 26 ድሕርዚ፡ እያሱ ወቒዑ ቐተሎም፣ ኣብ ሓሙሽተ ጕንዲ* ድማ ሰቐሎም፣ ክሳዕ ምሸት ከኣ ኣብተን ኣጕናድ ተሰቒሎም ወዓሉ። 27 ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ ግና፡ እያሱ ኣዘዘ እሞ፡ ካብተን ኣጕናድ ኣውሪዶም+ ኣብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ኣብቲ ኣፍ በዓቲ ድማ፡ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓበይቲ ኣእማን ገበሩ። 28 እያሱ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ+ ሓዛ፡ ብሰይፊ ድማ ወቕዓ። ንንጉሳን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን* ከኣ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ኣጥፍኦም።+ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ፡ ንንጉስ ማቄዳ+ ድማ ከምኡ ገበሮ። 29 እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሓለፈ፡ ንሊብና ድማ ተዋግኣ።+ 30 የሆዋ ኸኣ ንዓኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሃበ፣+ ንሳቶም ድማ ንዓኣን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን፡* ኣብኣ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ብሰይፊ ወቕዑ። ንንጉሳ ኸኣ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ ገበርዎ።+ 31 እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ካብ ሊብና ናብ ላኪሽ+ ሓለፈ፣ ኣብኣ ሰፊሮም ድማ ተዋግእዋ። 32 የሆዋ ኸኣ ንላኪሽ ኣብ ኢድ እስራኤል ሃባ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ሓዝዋ። ከምቲ ንሊብና ዝገበርዋ ኸኣ፡ ንዓኣን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን* ብሰይፊ ወቕዑ።+ 33 ሽዑ፡ ሆራም ንጉስ ጌዘር+ ንላኪሽ ኪረድኣ ደየበ፣ እያሱ ግና ንዕኡን ንህዝቡን ሓደ እኳ ኸየትረፈ ወቕዖም። 34 እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ካብ ላኪሽ ናብ ዔግሎን+ ሓለፈ፣ ኣብኣ ሰፊሮም ድማ ተዋግእዋ። 35 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓዝዋ፡ ብሰይፊ ድማ ወቕዕዋ። ከምቲ ንላኪሽ ዝገበርዋ ኸኣ፡+ ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉ* በታ መዓልቲ እቲኣ ኣጥፍኡ። 36 እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ካብ ዔግሎን ናብ ኬብሮን+ ደየበ፣ ተዋግእዋ ድማ። 37 ሓዝዋ ኸኣ፡ ንዓኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን* ከኣ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ብሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ንዔግሎን ዝገበራ፡ ንዓኣን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን* እውን ኣጥፍኡ። 38 እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እስራኤል ናብ ደቢር+ ተመሊሱ ተዋግኣ። 39 ንዓኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ድማ ሓዘ፣ ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉ* ኸኣ ሓደ እኳ ኸየትረፉ ብሰይፊ ወቒዖም ኣጥፍኡ።+ ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፡ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ድማ ዝገበሮ፡ ኣብ ደቢርን ኣብ ንጉሳን እውን ከምኡ ገበረ። 40 እያሱ ኸኣ ንዅላ ምድሪ ኣኽራንን ነጌብን ሼፈላን+ ቍልቍለትን ንዅሎም ነገስታቶምን ሓደ እኳ ኸየትረፈ ሰዓሮም፣ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ ድማ፡+ ትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ኣጥፍኡ።+ 41 እያሱ ኸኣ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ክሳብ ጋዛን+ ኵላ ምድሪ ጎሼንን+ ክሳብ ጊብዖንን ሰዓረ።+ 42 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግኣሉ ስለ ዝነበረ፡ እያሱ ንዅሎም እዞም ነገስታት እዚኦምን ንምድሮምን ብሓንሳእ ሓዘ።+ 43 ድሕርዚ፡ እያሱ ምስ ኵሉ እስራኤል ናብቲ ኣብ ጊልጋል ዝነበረ ሰፈር ተመልሰ።+ 14 እቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ከነኣን ርስቲ ገይሮም ዝወሰድዎ እሞ፡ ካህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን ርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን ዘውረስዎም እዚ እዩ።+ 2 ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፡ ነቶም ትሽዓተ ነገዳትን ንፍርቂ ነገድን ርስቶም ብዕጫ ሃቦም።+ 3 ሙሴ ነቶም ክልተ ነገዳትን ንፍርቂ ነገድን ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፣+ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኦም ርስቲ ኣይሃቦምን።+ 4 ደቂ ዮሴፍሲ ኽልተ ነገዳት፡ ምናሴን ኤፍሬምን ነበሩ።+ ንሌዋውያን ከኣ፡ ብዘይካ እተን ዚቕመጡለን ከተማታትን+ መጓሰዪታት ማሎምን ጥሪቶምን፡+ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃብዎምን። 5 እስራኤላውያን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነታ ምድሪ ተማቐልዋ። 6 ሰብ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ጊልጋል+ ናብ እያሱ ቐረቡ፣ ካሌብ+ ወዲ የፉነ እቲ ቄኒዛዊ ድማ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ንሙሴ፡ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡+ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ኣብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ዝበሎ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ 7 ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኺሰድደኒ ኸሎ፡+ ኣነ ወዲ 40 ዓመት እየ ነይረ፣ ቅኑዕ ጸብጻብ ሒዘ ኸኣ እየ ተመሊሰ።*+ 8 እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ እኳ እንተ ኣምከኽዎ፡ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ* ንየሆዋ ኣምላኸይ እየ ስዒበ።+ 9 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ሙሴ፡ ‘ንየሆዋ ኣምላኸይ ብምሉእ ልብኻ ስለ ዝሰዓብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንዓኻን ንደቅኻን ናይ ሓዋሩ ርስቲ ኽትከውን እያ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ።+ 10 ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዘተስፈዎ፡+ ካብቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ የሆዋ ንሙሴ ኸምኡ ኢሉ ዘተስፍዎ ኣትሒዙ፡ የሆዋ እዘን 45 ዓመት ብህይወት ኣጽኒሑኒ ኣሎ፣+ ኣነ ኸኣ ሎሚ ወዲ 85 ዓመት ኰይነ ኣለኹ። 11 ከምቲ በታ ሙሴ ዝሰደደኒ መዓልቲ ዝነበርክዎ ድማ፡ ሎሚ እውን ሓይለይ ከምኡ እዩ። ንውግእ ኰነ ንኻልእ ተግባራት፡ ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ እዩ። 12 ስለዚ፡ ከምቲ የሆዋ በታ መዓልቲ እቲኣ ዘተስፈዎ፡ እዚ ኣኽራን እዚ ሃበኒ። ዓናቂም+ ምስ ዓበይትን እተዓርዳን ከተማታት+ ኣብኡ ኸም ዘለዉ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕካ እኳ እንተ ዀንካ፡ ብርግጽ* የሆዋ ምሳይ ኪኸውን እዩ፡+ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ኸኣ ኣነ ኽሰጕጎም* እየ።”+ 13 እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፉነ መረቖ፡ ኬብሮን ከኣ ርስቲ ኽትኰኖ ሃቦ።+ 14 ንሱ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሰዓቦ ድማ፡ ስለዚ ኬብሮን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ርስቲ ካሌብ ወዲ የፉነ እቲ ቄኒዛዊ ዀነት።+ 15 ቅድሚኡ ስም ኬብሮን፡ ቂርያት-ኣርባዕ ነበረ፡+ (ኣርባዕ ኣብ መንጎ ዓናቂም ዓብዪ ሰብ ነበረ)። እታ ምድሪ ኸኣ ካብ ውግእ ዓረፈት።+ 9 ኵሎም እቶም ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ፡+ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ሼፈላን ኣብ ብዘሎ ገማግም እቲ ዓብዪ ባሕርን*+ ኣብ ቅድሚ ሊባኖስን ዝነበሩ ነገስታት፡ ማለት ሔታውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን፡+ እቲ ዝዀነ ምስ ሰምዑ፡ 2 ምስ እያሱን ምስ እስራኤልን ኪዋግኡ ብሓደ ዀይኖም ኪዳን ገበሩ።+ 3 ነበርቲ ጊብዖን+ እውን፡ እያሱ ንያሪኮን+ ንዓይን+ እንታይ ከም ዝገበረን ሰምዑ። 4 ንሳቶም ድማ ብጕርሒ ተላዒሎም፡ ስንቆም ኣብ ዝኣረገ ኸረጺት ገይሮም ኣብ ኣእዱግ ጸዓኑ፡ ምስኡ ኸኣ እተቐድደን እተለገበን ኣሕርብቲ ወይኒ ሓዙ፣ 5 ዝኣረገን እተለገበን ኣሳእን ድማ ኣብ ኣእጋሮም ወደዩ፡ ዝበለየ ኽዳውንቲ ኸኣ ተኸድኑ። ኵሉ እቲ እንጌራ ስንቆም ድማ ዝነቐጸን እተረፋረፈን ነበረ። 6 ናብ እያሱ ናብቲ ኣብ ጊልጋል+ ዝነበረ ሰፈር ከይዶም ከኣ፡ ንዕኡን ንሰብ እስራኤልን፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር ኢና መጺእና። ሕጂ፡ ምሳና ኺዳን እተዉ” በልዎም። 7 ሰብ እስራኤል ግና ንሒዋውያን፡+ “ምናልባት ኣብ ጥቓና እትነብሩ ትዀኑ። ስለዚ፡ ከመይ ጌርና ምሳኻትኩም ኪዳን ንኣቱ፧” በልዎም።+ 8 ንእያሱ ድማ፡ “ንሕና ገላዉኻ* ኢና” ኢሎም መለሱሉ። እያሱ ድማ፡ “እንታዎት ኢኹም፧ ካበይከ መጺእኩም፧” በሎም። 9 ንሳቶም ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ምእንቲ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና፣+ ከመይሲ፡ ብዛዕባ ዝናኡን ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣብ ግብጺ ዝገበሮን ሰሚዕና፡+ 10 ብዛዕባ ዅሉ እቲ ነቶም ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንሲሆን+ ንጉስ ሔስቦንን ኣብ ዓሽታሮት ንዝነበረ ዖግ+ ንጉስ ባሳንን ዝገበሮ ድማ ሰሚዕና። 11 ዓበይትናን ኵሎም ነበርቲ ምድርናን ከኣ፡ ‘ስንቂ ንመገዲ ሒዝኩም ክትቅበልዎም ኪዱ። “ንሕና ገላዉኹም ኢና፣+ ሕጂ፡ ምሳና ኺዳን እተዉ”+ በልዎም’ ኢሎምና። 12 እዚ እንጌራ እዚ በታ ናባኻትኩም ክንመጽእ ካብ ኣባይትና ዝወጻእናላ መዓልቲ ብውዑዩ ዝሰነቕናዮ እዩ። ሕጂ ግና፡ ነቒጹን ተረፋሪፉን ከም ዘሎ ኽትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም።+ 13 እዚ ኣሕርብቲ ወይኒ ኸኣ ክንመልኦ ኸለና ሓድሽ ነይሩ፣ ሕጂ ግና፡ ተቐዲዱ።+ ክዳውንትናን ኣሳእንናን ድማ ካብ እምብዛ ምንዋሕ መገዲ በልዩ።” 14 ሽዑ፡ እቶም ሰባት ካብቲ ስንቆም ወሰዱ፣* ንየሆዋ ግና ኣይሓተትዎን።+ 15 እያሱ ኸኣ ምሳታቶም ሰላም ገበረ፡+ ብህይወት ኪሓድጎም ድማ ኪዳን ኣተወሎም፣ ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ እውን ከምኡ ኢሎም መሓሉሎም።+ 16 ምሳታቶም ኪዳን ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣብ መወዳእታ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብ ጥቓኦም፡ ማለት ኣብ ቀረባኦም ከም ዚነብሩ ሰምዑ። 17 እስራኤላውያን ድማ ነቒሎም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ከተማታቶም መጹ፣ እተን ከተማታቶም ጊብዖንን+ ከፊራን ብኤሮትን ቂርያት-የዓሪምን+ ነበራ። 18 ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፡+ እስራኤላውያን ኣየጥቅዕዎምን። ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብቶም ሹማምንቲ ኣጕረምረመ። 19 እቶም ሹማምንቲ ኸኣ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸምዚ በልዎ፦ “ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝመሓልናሎም፡ ክንጐድኦም ኣይፍቀደልናን እዩ። 20 ከምዚ ንግበር፦ ብምኽንያት እቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ ቝጥዓ ኸይወርደናስ፡ ብህይወት ንሕደጎም።”+ 21 እቶም ሹማምንቲ ኸኣ፡ “ብህይወት ይንበሩ፣ ግናኸ፡ ንዅሉ እቲ ኣኼባ ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን ይኹኑ” በሉ። እቶም ሹማምንትስ ከምኡ ኢሎም እዮም ኣተስፍዮምዎም። 22 እያሱ ድማ ንዓታቶም ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣብ መንጎና እናነበርኩም ክነስኹምሲ፡ ‘ንሕና ኻባታትኩም ኣዝዩ ኻብ ዚርሕቕ ቦታ ኢና’ ብምባል ስለምንታይ ኣታሊልኩምና፧+ 23 ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ርጉማት ኢኹም፣+ ወትሩ ድማ ባሮት ኴንኩም፡ ንቤት ኣምላኸይ ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን ክትኰኑ ኢኹም።” 24 ንሳቶም ከኣ ንእያሱ ኸምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “የሆዋ ኣምላኽካ ንሙሴ እቲ ጊልያኡ፡ ኵላ እዛ ምድሪ ኺህበኩምን ኵሎም ነበርታ ኻብ ቅድሜኹም ኬጥፍኦምን ከም ዝኣዘዞ ብንጹር ስለ እተነግረና ኢና።+ ስለዚ፡ ብሰንክኹም ንህይወትና* ፈሪህና+ እዚ ነገር እዚ ጌርና።+ 25 ሕጂ ኣብ ኢድካ ኢና። ጽቡቕን ቅኑዕን ዝመሰለካ ግበር።” 26 ከምኡ ኸኣ ገበሮም፣ ካብ ኢድ እስራኤላውያን ኣድሓኖም፡ ንሳቶም እውን ኣይቀተልዎምን። 27 ግናኸ እያሱ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ የሆዋን፡ ኣብታ ንሱ ዚሓርያ ቦታ፡+ ኣረይቲ ዕንጨይትን ወረድቲ ማይን ገበሮም፣+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ከምኡ እዮም።+ 13 እያሱ ድማ ኣሪጉን ብዕድመ ደፊኡን ነበረ።+ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ኣሪግካን ብዕድመ ደፊእካን ኢኻ፣ ግናኸ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ኽፋል እታ ምድሪ ኸይተረስተየ* ተሪፉ ኣሎ። 2 እታ ዝተረፈት ምድሪ እዚኣ እያ፦+ ኵሉ ዞባታት ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ጌሹራውያንን፡+ 3 (ካብቲ ኣብ ምብራቕ* ግብጺ ዘሎ ጨንፈር ኒል፡* ንሰሜን ክሳብ እቲ ምስ ሃገር ከነኣን ዚቝጸር ዝነበረ ዶብ ዔቅሮን፡)+ እንተላይ እቲ ናይቶም ሓሙሽተ ጐይተት ፍልስጥኤማውያን፡+—ማለት ጋዛውያንን ኣሽዶዳውያንን+ ኣሽቀሎናውያንን+ ጊታውያንን+ ዔቅሮናውያንን፣+ እቲ ናይ ዓዊም+ 4 ንደቡብ፣ ኵላ ምድሪ ከነኣናውያን፣ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያን+ ክሳብ ኣፌቅ፡ ክሳብ ዶብ ኣሞራውያን፣ 5 ምድሪ ጌባላውያንን+ ኵሉ ናይ ሊባኖስን ንምብራቕ፡ ካብታ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘላ በዓል-ጋድ ክሳብ ለቦ-ሓማት፣*+ 6 ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ+ ክሳብ ሚስረፎት-ማይም+ ዚነብሩ ዅሎም ነበርቲ፣ ኵሎም ሲዶናውያን።+ ኣነ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ክሰጕጎም* እየ።+ ጥራይ ንስኻ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ንእስራኤል ርስቲ ኽትከውን መድባ።+ 7 ሕጂ ድማ ነዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓተ ነገዳትን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ኽትከውን ምቐላ።”+ 8 እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ነገድን ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝሃቦም፡ እቲ ሙሴ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃቦም ርስቶም ወሰዱ፦+ 9 ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን+ ዘላ ዓሮዔር፡+ ኣብ ማእከል እቲ ስንጭሮ ዘላ ኸተማ ድማ፡ ኵሉ ኸበሳ ሜድባ እውን ክሳብ ዲቦን፣ 10 ኵለን ከተማታት እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ከኣ ክሳብ ዶብ ዓሞናውያን፣+ 11 ጊልዓድን ሃገር ጌሹራውያንን ማዓካታውያንን+ ኵሉ ኸረን ሄርሞንን ኵሉ ባሳንን+ ድማ ክሳብ ሳልካ፣+ 12 ብዘላ መንግስቲ እቲ ኣብ ዓሽታሮትን ኤድረይን ዝነገሰ ዖግ ኣብ ባሳን። (ንሱ ሓደ ኻብቶም ተረፍ ረፋይም ነበረ።)+ ሙሴ ድማ ስዒሩ ሰጐጎም።*+ 13 እስራኤላውያን ግና ንጌሹራውያንን ንማዓካታውያንን ኣይሰጐጕዎምን፣*+ ጌሹርን ማዓካትንሲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ማእከል እስራኤል ይነብሩ ኣለዉ። 14 ንነገድ ሌዊ ጥራይ ርስቲ ኣይሃቦምን።+ ከምቲ ዘተስፈዎም፡ እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ርስቶም ኰነ።+ 15 ሙሴ ኸኣ ንነገድ ሮቤላውያን በብዓሌቶም ርስቲ ሃቦም፣ 16 ሃገሮም ድማ ካብታ ኣብ ገምገም ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ እታ ኣብ ማእከል ስንጭሮ ዘላ ኸተማ ኸኣ፡ ኵሉ ኸበሳ ጥቓ ሜድባ፣ 17 ሔስቦንን ኵለን እተን ኣብ ከበሳ ዘለዋ ኸተማታትን፡+ ዲቦንን ባሞት-በዓልን ቤት-በዓል-ሜዖንን+ 18 ያሃጽን+ ቀደሞትን+ ሜፋዓትን+ 19 ቂርያታዪምን ሲብማን+ እታ ኣብ ከረን እቲ ስንጭሮ* ዘላ ጸሬት-ሻሓርን 20 ቤት-ጴዖርን ቍልቍለት ጲስጋን+ ቤት-የሺሞትን+ 21 ኵለን ከተማታት ከበሳን ኵላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ነበረት።+ ሙሴ ኸኣ ንዕኡን ነቶም ኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን+ ዚብሃሉ ሚድያናውያን ሹማምንትን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ንዝነበሩ መሳፍንቲ* ሲሆንን ሰዓሮም።+ 22 በላዓም+ ወዲ ቤዖር እቲ ጠንቋሊ ድማ፡+ ሓደ ኻብቶም እስራኤላውያን ምስቶም ቅቱላት ዝቐተልዎ ነበረ። 23 ዶብ ሮቤላውያን ከኣ ዮርዳኖስ ነበረ፣ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ምስተን ከተማታትን ሰፈራተንን፡ ርስቲ ሮቤላውያን በብዓሌቶም ነበረት። 24 ሙሴ ኸኣ ንነገድ ጋድ፡ ንጋዳውያን በብዓሌቶም ርስቲ ሃቦም፣ 25 ሃገሮም ድማ ያዕዜርን+ ኵለን ከተማታት ጊልዓድን ፍርቂ ምድሪ ዓሞናውያን+ ክሳብ እታ ኣብ መንጽር ራባ+ ዘላ ዓሮዔርን፣ 26 ካብ ሔስቦን+ ከኣ ክሳብ ራማት-ሚጽጴን በጦኒምን፡ ካብ ማሓናዪም+ ድማ ክሳብ ዶብ ደቢር፣ 27 ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ* ቤት-ሃራምን ቤት-ኒምራን+ ሱኮትን+ ጻፎንን ዝተረፈ መንግስቲ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን ነበረት፣+ እቲ ዶብ ከኣ ዮርዳኖስ ክሳብ ወሰን ባሕሪ ኪነረት*+ ኰይኑ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ነበረ። 28 ርስቲ ጋዳውያን በብዓሌቶም፡ ምስተን ከተማታትን ሰፈራተንን እዚ ነበረ። 29 ሙሴ ድማ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ ማለት ንፍርቂ ነገድ ምናሴ በብዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።+ 30 ሃገሮም ከኣ ካብ ማሓናዪም+ ኣትሒዛ፡ ኵላ ባሳንን ኵላ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳንን ኵለን ኣብ ባሳን ዘለዋ ዓድታት ድንኳናት ያኢርን፡+ 60 ኸተማ፡ ነበረት። 31 ፍርቂ ጊልዓድ ድማ ዓሽታሮትን ኤድረይን፡+ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ንደቂ ማኪር+ ወዲ ምናሴ፡ ንፍርቂ ደቂ ማኪር በብዓሌቶም ኰነ። 32 እተን ሙሴ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብምብራቕ ያሪኮ ዝሃቦም ርስቲ እዚኣተን እየን።+ 33 ንነገድ ሌዊ ግና፡ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን።+ ከምቲ ዘተስፈዎም፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እዩ ርስቶም።+ 5 ብሸነኽ ምዕራብ* ዮርዳኖስ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን+ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ከነኣናውያንን፡+ የሆዋ እስራኤላውያን ክሳዕ ዚሳገሩ ኣብ ቅድሚኦም ንማይ ዮርዳኖስ ከም ዘንቀጾ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም መኸኸ፡+ ብሰንኪ እስራኤላውያን እውን ኵሉ ትብዓቶም ጠፍአ።*+ 2 በታ ግዜ እቲኣ፡ የሆዋ ንእያሱ፡ “በሊሕ ጽንጽሕለ* ጌርካ፡ ንእስራኤላውያን ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ግዘሮም”+ በሎ። 3 እያሱ ድማ በሊሕ ጽንጽሕለ ገበረ፡ ንእስራኤላውያን ከኣ ኣብ ጊብዓት-ዓራሎት*+ ገዘሮም። 4 እያሱ ዝገዘሮም ከኣ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፦ ኵሎም እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ተባዕትዮ እቲ ህዝቢ፡ ኵሎም ተዋጋእቲ፡* ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ ሞይቶም ነበሩ።+ 5 ኵሎም እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ህዝብስ እተገዝሩ ነበሩ፣ ኵሎም እቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ መገዲ ኣብ በረኻ እተወልዱ ህዝቢ ግና፡ ኣይተገዝሩን ነበሩ። 6 ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ማለት እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ እሞ፡ ንድምጺ የሆዋ ዘይተኣዘዙ ተዋጋእቲ ኽሳዕ ዚውድኡ፡+ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ 40 ዓመት ተጓዕዙ።+ የሆዋ ድማ እታ የሆዋ ንዓና ኺህበና ንኣቦታቶም ዝመሓለሎም ምድሪ፡+ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡+ ከም ዘየርእዮም መሓለሎም።+ 7 ኣብ ክንዳኦም ከኣ ንደቆም ኣተንስአ።+ ነዚኣቶም ድማ እያሱ ገዘሮም፣ ኣብ መገዲ ስለ ዘይገዘርዎም፡ ዘይግዙራት ነበሩ። 8 ንብዘሎ ህዝቢ ገዚሮም ምስ ወድኡ፡ ክሳዕ ዚሓውዩ፡ ኣብ ሰፈር ጸንሑ። 9 የሆዋ ድማ ንእያሱ፡ “ሎሚ፡ ጸርፊ ግብጺ ኻባኻትኩም ኣንከራርየ” በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጊልጋል*+ ይብሃል ኣሎ። 10 እስራኤላውያን ድማ ኣብ ጊልጋል ሰፈሩ፣ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኸኣ፡+ ምሸት ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ያሪኮ ፋስጋ ኣብዓሉ። 11 ጽባሕ ፋስጋ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ፍረ እታ ምድሪ፡ ቅጫን+ ቆሎን በልዑ። 12 ካብ ፍረ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፡ ንጽብሒቱ ማና ኣቋረጸ፣ እስራኤላውያን በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ከነኣን በልዑ እምበር፡+ ደጊምሲ ማና ኣይበልዑን።+ 13 እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸሎ፡ ኣዒንቱ ኣልዒሉ እተመልሐ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ረኣየ።+ እያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ፡ “ንስኻ ኣብ ጐድንና ዲኻ ወይስ ኣብ ጐድኒ ተጻረርትና፧” ኢሉ ሓተቶ። 14 ንሱ ድማ፡ “ኣይፋለይን፡ ኣነስ መስፍን* ሰራዊት የሆዋ ዀይነ ደኣ መጺአ ኣለኹ” በሎ።+ እያሱ ኸኣ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ፡ “ጐይታይ ንጊልያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሰገደ። 15 እቲ መስፍን ሰራዊት የሆዋ ድማ ንእያሱ፡ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ። እያሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ።+ 21 ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን+ ናብ እያሱ ወዲ ነዌን ናብ ርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን ቀረቡ፣ 2 ኣብ ሺሎ+ ኣብ ምድሪ ከነኣን ከኣ፡ “ንሕና እንቕመጠለን ከተማታት ምስቲ ንማልና ዚኸውን መጓሰዪታተን ኪውሃበና፡ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ኣዚዙ እዩ” ኢሎም ተዛረብዎም።+ 3 ሽዑ፡ እስራኤላውያን ከምቲ ትእዛዝ የሆዋ፡ ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚአንን መጓሰዪታተንን ንሌዋውያን ሃብዎም።+ 4 ንዓሌታት ቀሃታውያን+ ዕጫ ወጸሎም፣ ነቶም ሌዋውያን ዝዀኑ ደቂ ኻህን ኣሮን ድማ፡ ካብ ነገድ ይሁዳን+ ካብ ነገድ ስምኦንን+ ካብ ነገድ ብንያምን+ 13 ኸተማ ብዕጫ ተዋህባኦም። 5 ነቶም ዝተረፉ ቀሃታውያን ከኣ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን+ ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን+ ዓሰርተ ኸተማ ብዕጫ ተዋህባኦም። 6 ንጌርሾናውያን+ ድማ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳንን 13 ኸተማ ብዕጫ ተዋህባኦም።+ 7 ንመራራውያን+ በብዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን 12 ኸተማ ተዋህባኦም።+ 8 በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ንሌዋውያን፡ ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፡ እዘን ከተማታት እዚአንን መጓሰዪታተንን ብዕጫ ሃብዎም።+ 9 ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ከኣ፡ እዘን ብስም እተረቝሓ ኸተማታት ሃቡ፣+ 10 እቶም ካብ ደቂ ሌዊ፡ ካብ ቀሃታውያን ዝዀኑ ደቂ ኣሮን ቀዳማይ ዕጫ ናታቶም ስለ ዝነበረ ድማ፡ ንዓታቶም ተዋህባ። 11 ኣብ ኣኽራን ይሁዳ ኸኣ ቂርያት-ኣርባዕን+ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ መጓሰዪታታን ሃብዎም። 12 ግራውቲ እታ ኸተማን ሰፈራታን ግና ንካሌብ ወዲ የፉነ ርስቱ ገይሮም ሃብዎ።+ 13 ንደቂ ኣሮን ከኣ እታ ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡+ ማለት ኬብሮን+ ምስ መጓሰዪታታ ሃብዎም፣ ከምኡ ድማ ሊብና+ ምስ መጓሰዪታታን 14 ያቲር+ ምስ መጓሰዪታታን ኤሽትሞዓ+ ምስ መጓሰዪታታን 15 ሖሎን+ ምስ መጓሰዪታታን ደቢር+ ምስ መጓሰዪታታን 16 ዓዪን+ ምስ መጓሰዪታታን ዩጣ+ ምስ መጓሰዪታታን ቤት-ሸመሽ ምስ መጓሰዪታታን—ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኦም ትሽዓተ ኸተማ። 17 ካብ ነገድ ብንያም ከኣ፡ ጊብዖን+ ምስ መጓሰዪታታን ጌባዕ ምስ መጓሰዪታታን+ 18 ዓናቶት+ ምስ መጓሰዪታታን ዓልሞን ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ። 19 ኵለን ከተማታት እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን 13 ኸተማ መምስ መጓሰዪታተን።+ 20 ነቶም ኣብ መንጎ ሌዋውያን ዝተረፉ ዓሌታት ቀሃታውያን ድማ፡ ካብ ነገድ ኤፍሬም ከተማታት ብዕጫ ተዋህባኦም። 21 ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡+ ማለት እታ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘላ ሴኬም+ ምስ መጓሰዪታታ ሃብዎም፣ ከምኡ ድማ ጌዘር+ ምስ መጓሰዪታታን 22 ቂብጻይም ምስ መጓሰዪታታን ቤት-ሖሮን+ ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ። 23 ካብ ነገድ ዳን ከኣ ኤልትቄ ምስ መጓሰዪታታን ጊብቶን ምስ መጓሰዪታታን 24 ኣያሎን+ ምስ መጓሰዪታታን ጋት-ሪሞን ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ። 25 ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ድማ፡ ታዓናክ+ ምስ መጓሰዪታታን ጋት-ሪሞን ምስ መጓሰዪታታን—ክልተ ኸተማ። 26 እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ቀሃታውያን እተዋህባ ዅለን ከተማታት መምስ መጓሰዪታተን ዓሰርተ እየን። 27 ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝዀኑ ጌርሾናውያን+ እተዋህባ ኸኣ፡ ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡ ማለት ጎላን+ ምስ መጓሰዪታታን ቤዔሽትራ ምስ መጓሰዪታታን—ክልተ ኸተማ። 28 ካብ ነገድ ይሳኮር ከኣ፡+ ቂሽዮን ምስ መጓሰዪታታን ዳብራት+ ምስ መጓሰዪታታን 29 ያርሙት ምስ መጓሰዪታታን ዔን-ጋኒም ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ። 30 ካብ ነገድ ኣሴር ድማ፡+ ሚሽኣል ምስ መጓሰዪታታን ዓብዶን ምስ መጓሰዪታታን 31 ሔልቃት+ ምስ መጓሰዪታታን ሬሖብ+ ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ። 32 ካብ ነገድ ንፍታሌም ከኣ፡ እታ ኣብ ገሊላ ዘላ ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡+ ማለት ቀደሽ+ ምስ መጓሰዪታታን ሓሞት-ዶር ምስ መጓሰዪታታን ቃርታን ምስ መጓሰዪታታን—ሰለስተ ኸተማ። 33 ኵለን ከተማታት ጌርሾናውያን በብዓሌቶም 13 ኸተማ መምስ መጓሰዪታተን እየን። 34 ነቶም ካብ ዝተረፉ ሌዋውያን ዝዀኑ ዓሌታት መራራውያን+ እተዋህባኦም ድማ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡+ ዮቅነዓም+ ምስ መጓሰዪታታን ቃርታ ምስ መጓሰዪታታን 35 ዲምና ምስ መጓሰዪታታን ናሃላል+ ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ። 36 ካብ ነገድ ሮቤል ከኣ፡ ቤጸር+ ምስ መጓሰዪታታን ያሃጽ ምስ መጓሰዪታታን+ 37 ቀደሞት ምስ መጓሰዪታታን ሜፋዓት ምስ መጓሰዪታታን—ኣርባዕተ ኸተማ። 38 ካብ ነገድ ጋድ ድማ፡+ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ሰብ ንዝቐተለ እትኸውን ከተማ ዕቝባ፡ ማለት ራሞት+ ምስ መጓሰዪታታን ማሓናዪም+ ምስ መጓሰዪታታን 39 ሔስቦን+ ምስ መጓሰዪታታን ያዕዜር+ ምስ መጓሰዪታታን—ብድምር ኣርባዕተ ኸተማ። 40 ኵለን እተን ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ሌዋውያን ዝዀኑ መራራውያን በብዓሌቶም እተዋህባ ኸተማታት፡ 12 ኸተማ እየን። 41 ኵለን እተን ኣብ ማእከል ርስቲ እስራኤላውያን ዘለዋ ኸተማታት ሌዋውያን፡ 48 ከተማ መምስ መጓሰዪታተን እየን።+ 42 እዘን ከተማታት እዚአን ኣብ ዘዙርያአን መጓሰዪታት ኣለወን፣ ኵለን እዘን ከተማታት እዚአን ከምኡ እየን። 43 የሆዋ ኸኣ ኵላ እታ ንኣቦታቶም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ንእስራኤል ሃቦ፣+ ንሳቶም ከኣ ተረስተይዋን ተቐመጥዋን።+ 44 የሆዋ ድማ ከም ኵሉ እቲ ንኣቦታቶም ዝመሓለሎም፡ ኣብ ኵሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም፣+ ካብ ኵሎም ጸላእቶም ከኣ ሓደ እኳ ኺቃወሞም ኣይከኣለን።+ የሆዋ፡ ኵሎም ጸላእቶም ኣብ ኢዶም ሃቦም።+ 45 ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ንቤት እስራኤል ዘተስፈዎ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ተስፋ* እኳ ኣይወደቐን፣ ኵሉ ደኣ ተፈጸመ።+ 15 ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ዝበጽሖም ዕጫ፡+ ክሳብ ዶብ ኤዶም፡+ በረኻ ጺን፡ ክሳብ ደቡባዊ ወሰን ነጌብ እዩ። 2 ደቡባዊ ዶቦም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው፡*+ ካብቲ ናብ ደቡብ ዜብል ልሳን ባሕሪ እዩ። 3 ናብ ደቡብ ናብ ዓቐበት ዓቅራቢም+ ወጺኡ፡ ንጺን ሓሊፉ፡ ካብ ደቡብ ናብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ደዪቡ፡ ንሔጽሮን ሓሊፉ፡ ናብ ኣዳር ደዪቡ፡ ናብ ቃርቃዓ ኣቢሉ ዞረ። 4 ንዓጽሞን+ ሓሊፉ ድማ ናብ ርባ* ግብጺ+ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ኣብ ባሕሪ* ኣብቅዐ። ደቡባዊ ዶቦም እዚ እዩ። 5 እቲ ምብራቓዊ ዶብ ድማ ባሕሪ ጨው* ክሳብ ጫፍ ዮርዳኖስ እዩ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ መኣዝን ዚርከብ ዶብ ከኣ፡ ኣብ ልሳን ባሕሪ፡ ኣብ ጫፍ ዮርዳኖስ እዩ።+ 6 እቲ ዶብ ድማ ናብ ቤት-ሖግላ+ ደዪቡ፡ ብሰሜን ቤት-ዓራባ+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ እምኒ ቦሃን+ ወዲ ሮቤል ደየበ። 7 እቲ ዶብ ድማ ናብታ ኣብ ስንጭሮ* ዓኮር+ ዘላ ደቢር ደዪቡ፡ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብታ ኣብ መንጽር እቲ ብደቡብ ርባ ዚርከብ ዓቐበት ኣዱሚም ዘላ ጊልጋል+ ዞረ፣ እቲ ዶብ ከኣ ንዔን-ሸመሽ+ ሓሊፉ፡ ኣብ ዔን-ሮጌል+ ኣብቅዐ። 8 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም፡+ ናብቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዓቐበት ይቡሳውያን፡+ ንሳ ድማ የሩሳሌም፡+ ደየበ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ስንጭሮ ሂኖም ብምዕራብ፡ ኣብ ወሰን ስንጭሮ* ረፋይም ድማ ብሰሜን ዘሎ ኸረን ደየበ። 9 እቲ ዶብ ከኣ ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ+ ተሓንጸጸ፡ ናብ ከተማታት ከረን ዔፍሮን ድማ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ በዓላ፡ ንሳ ድማ ቂርያት-የዓሪም፡+ ተሓንጸጸ። 10 እቲ ዶብ ከኣ ካብ በዓላ ናብ ምዕራብ ናብ ከረን ሰዒር ዞይሩ፡ ናብ ሰሜናዊ ዓቐበት ከረን የዓሪም፡ ንሱ ድማ ክሳሎን፡ ሓለፈ፣ ናብ ቤት-ሸመሽ+ ወሪዱ ኸኣ፡ ናብ ቲምና+ ሓለፈ። 11 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዓቐበት ዔቅሮን+ ናብ ሰሜን ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ሺክሮን ተሓንጸጸ፡ ናብ ከረን በዓላ ሓለፈ፡ ናብ ያብንኤል ድማ ወጸ፣ እቲ ዶብ ከኣ ኣብ ባሕሪ ኣብቅዐ። 12 እቲ ምዕራባዊ ዶብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕርን*+ ገምገሙን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ። 13 ንካሌብ+ ወዲ የፉነ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳ ግደ፡ ማለት ቂርያት-ኣርባዕ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ሃቦ። 14 ካሌብ ከኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ፡+ ማለት ሸሻይን ኣሒማንን ታልማይን+ ንዚብሃሉ ዘርኢ ዓናቅ፡ ካብኣ ሰጐጎም። 15 ካብኣ ድማ ንነበርቲ ደቢር+ ኪጻረር ደየበ። (ቅድሚኡ ስም ደቢር፡ ቂርያት-ሰፈር ነበረ።) 16 ካሌብ ከኣ፡ “ንቂርያት-ሰፈር ዚወቕዓን ዚሕዛን፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ” በለ። 17 ዖትኒኤል+ ወዲ ቄናዝ፡+ ሓው ካሌብ ድማ ሓዛ። ስለዚ፡ ዓክሳ+ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 18 ንሳ ናብ ቤት ክትከይድ ከላ፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን ደፋፍኣቶ። ካብ ኣድጋ ድማ ወረደት።* ካሌብ ከኣ፡ “እንታይ ደሊኺ፧” ኢሉ ሓተታ።+ 19 ንሳ ድማ፡ “በረኸት ግዳ ሃበኒ፣ ኣብ ደቡብሲ* ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ፣ ጉሎት-ማይም* እውን ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ጉሎትን ታሕተዋይ ጉሎትን ሃባ። 20 ርስቲ ነገድ ይሁዳ በብዓሌቶም እዚ እዩ። 21 እተን ኣብ ወሰን ነገድ ይሁዳ፡ ብሸነኽ ዶብ ኤዶም+ ኣብ ደቡብ ዝነበራ ኸተማታት እዚኣተን እየን፦ ቃብጽኤል፡ ዔደር፡ ያጉር፡ 22 ቂና፡ ዲሞና፡ ዓድዓዳ፡ 23 ቀደሽ፡ ሓጾር፡ ዪትና፡ 24 ዚፍ፡ ጤሌም፡ በዓሎት፡ 25 ሓጾር-ሓዳታ፡ ቄሪዮት-ሔጽሮን፡ ንሳ ድማ ሓጾር፡ 26 ኣማም፡ ሸማዕ፡ ሞላዳን፡+ 27 ሓጻር-ጋዳ፡ ሔሽሞን፡ ቤት-ጰለጥ፡+ 28 ሓጻር-ሹዓል፡ ብኤር-ሸባዕ፡+ ቢዝዮትያ፡ 29 በዓላ፡ ዒዪም፡ ዔጸም፡ 30 ኤልቶላድ፡ ኬሲል፡ ሖርማ፡+ 31 ጺቅላግ፡+ ማድማና፡ ሳንሳና፡ 32 ለባኦት፡ ሺልሂም፡ ዓዪን፡ ሪሞን+—ብድምር 29 ከተማ ምስ ሰፈራተን። 33 ኣብ ሼፈላ+ እዚኣተን እየን፦ ኤሽታኦል፡ ጾርዓ፡+ ኣሽና፡ 34 ዛኖኣ፡ ዔን-ጋኒም፡ ታጱኣ፡ ዔናም፡ 35 ያርሙት፡ ዓዱላም፡+ ሶኮ፡ ዓዜቃ፡+ 36 ሻዓራይም፡+ ዓዲታይም፡ ገደራን ገደሮታይምን* —14 ኸተማን ሰፈራተንን። 37 ጽናን፡ ሓዳሻ፡ ሚግዳል-ጋድ፡ 38 ዲልዓን፡ ሚጽጰ፡ ዮቅትኤል፡ 39 ላኪሽ፡+ ቦጽቃት፡ ዔግሎን፡ 40 ካቦን፡ ላሕማስ፡ ኪትሊሽ፡ 41 ገደሮት፡ ቤት-ዳጎን፡ ናዓማ፡ ማቄዳ+—16 ኸተማን ሰፈራተንን። 42 ሊብና፡+ ዔተር፡ ዓሻን፡+ 43 ዪፍታሕ፡ ኣሽና፡ ንጺብ፡ 44 ቅዒላ፡ ኣክዚብ፡ ማረሻ—ትሽዓተ ኸተማን ሰፈራተንን። 45 ዔቅሮንን ዓድታታን ሰፈራታን፣ 46 ካብ ዔቅሮን ናብ ምዕራብ፡ ኵለን እተን ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ዘለዋን ሰፈራተንን። 47 ኣሽዶድን+ ዓድታታን ሰፈራታን፣ ጋዛን+ ዓድታታን ሰፈራታን ክሳብ ርባ ግብጽን እቲ ዓብዪ ባሕርን* ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዞባን።+ 48 ኣብ ኣኽራን ድማ ሻሚር፡ ያቲር፡+ ሶኮ፡ 49 ዳና፡ ቂርያት-ሳና፡ ንሳ ድማ ደቢር፡ 50 ዓናብ፡ ኤሽትሞ፡+ ዓኒም፡ 51 ጎሼን፡+ ሖሎን፡ ጊሎ+—11 ኸተማን ሰፈራተንን። 52 ኣራብ፡ ዱማ፡ ኤሼዓን፡ 53 ያኑም፡ ቤት-ታጱኣ፡ ኣፌቃ፡ 54 ሑምታ፡ ቂርያት-ኣርባዕ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ጺዖር—ትሽዓተ ኸተማን ሰፈራተንን። 55 ማዖን፡+ ቀርሜሎስ፡ ዚፍ፡+ ዩጣ፡ 56 ይዝርኤል፡ ዮቅድዓም፡ ዛኖኣ፡ 57 ቃዪን፡ ጊብዓ፡ ቲምና+—ዓሰርተ ኸተማን ሰፈራተንን። 58 ሓልሑል፡ ቤት-ጹር፡ ገዶር፡ 59 ማዓራት፡ ቤት-ዓኖት፡ ኤልትቆን—ሽዱሽተ ኸተማን ሰፈራተንን። 60 ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ድማ ቂርያት-የዓሪም፡+ ራባ—ክልተ ኸተማን ሰፈራተንን። 61 ኣብ በረኻ፡ ቤት-ዓራባ፡+ ሚዲን፡ ስካካ፡ 62 ኒብሻን፡ ከተማ ጨው፡ ዔን-ገዲ+—ሽዱሽተ ኸተማን ሰፈራተንን። 63 ሰብ ይሁዳ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩ ይቡሳውያን+ ኪሰጕግዎም ኣይከኣሉን፣+ ስለዚ፡ ይቡሳውያን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምስ ሰብ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ኣለዉ። 22 ሽዑ፡ እያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ጸውዖም፡ 2 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኵሉ እቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዘኩም ሓሊኹም ኢኹም፣+ እቲ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ቓለይ እውን ተኣዚዝኩም ኢኹም።+ 3 ብዅሉ እዚ ግዜ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንኣሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፣+ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ዘሎኩም ናይ ትእዛዙ ግዴታ እውን ሓሊኹም ኢኹም።+ 4 ሕጂ፡ የሆዋ ኣምላኽኩም ንኣሕዋትኩም፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ኣዕሪፍዎም እዩ።+ ስለዚ፡ ሕጂ ናብ ድንኳናትኩም፡ ናብታ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ክትርስተይዋ ዝሃበኩም ምድሪ ኽትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም።+ 5 ሓንትስ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ብምፍቃርን+ ብዅሉ መገድታቱ ብምምልላስን+ ትእዛዛቱ ብምሕላውን+ ናብኡ ብምልጋብን+ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን*+ ንዕኡ ብምግልጋልን፡+ እቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ኣዚኹም ተጠንቂቕኩም ግበሩ።”+ 6 እያሱ ኸኣ መሪቑ ሰደዶም፣ ናብ ድንኳናቶም ድማ ከዱ። 7 ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኸኣ፡ ሙሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎም ነበረ፣+ ነቲ ፍርቁ ድማ፡ እያሱ ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ፡+ ምስ ኣሕዋቶም ርስቲ ሃቦም። እያሱ ናብ ድንኳናቶም ኪሰድዶም ከሎ ኸኣ፡ መረቖም፡ 8 ከምዚ እውን በሎም፦ “ምስ ብዙሕ ሃብትን ምስ ኣዝየን ብዙሓት ማልን ምስ ብሩርን ወርቅን ነሓስን ሓጺንን ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንትን ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ።+ ነቲ ምርኮ ጸላእትኹም ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ።”+ 9 ድሕርዚ፡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ካብቶም ዝተረፉ እስራኤላውያን፡ ካብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘላ ሺሎ ነቒሎም፡ ናብ ምድሪ ጊልዓድ፡+ ናብታ በቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ እተቐመጥዋ ምድሪ ርስቶም ተመልሱ።+ 10 ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘሎ ዞባታት ዮርዳኖስ ምስ መጹ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዓብዪ ምርኡይ መሰውኢ ሰርሑ። 11 እቶም ካልኦት እስራኤላውያን ከኣ ብዛዕባ እዚ ሰሚዖም፡+ “እንሆ፡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ወሰን ምድሪ ከነኣን፡ ኣብቲ ሸነኽ እስራኤላውያን ዝዀነ ዞባታት ዮርዳኖስ መሰውኢ ሰሪሖም ኣለዉ” በሉ። 12 እስራኤላውያን ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምሳታቶም ንምውጋእ ኪኸዱ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣብ ሺሎ ተኣከበ።+ 13 ሽዑ፡ እስራኤላውያን ንፊንሃስ+ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር፡ ናብ ሮቤላውያንን ናብ ጋዳውያንን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ለኣኽዎ። 14 ምስኡ ድማ ዓሰርተ ሹማምንቲ፡ ከካብ ማይ ቤት ኵሎም ነገዳት እስራኤል ሓሓደ ሹም፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ማእከል ኣሽሓት* እስራኤል ርእሲ ማይ ቤቶም ዝዀኑ ነበሩ።+ 15 ናብ ሮቤላውያንን ናብ ጋዳውያንን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ምስ መጹ፡ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፦ 16 “ኵሉ ኣኼባ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝጠለምኩምዎ ጥልመት እንታይ እዩ፧+ ንዓኻትኩም መሰውኢ ብምስራሕን ካብ የሆዋ ብምዕላውን፡ ሎሚ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ተመሊስኩም ኣለኹም።+ 17 ሓጢኣት ጴዖርዶ ኣይኣኽለናን፧ ኣብ ኣኼባ የሆዋ መዓት እኳ እንተ ወረደ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብኡ ኣይነጻህናን ኣለና።+ 18 ሎሚ ድማ፡ ንስኻትኩም ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ተመሊስኩም! ሎሚ፡ ካብ የሆዋ እንተ ዓሊኹም፡ ጽባሕ ንሱ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ኪቝጥዖ እዩ።+ 19 እታ ምድሪ ርስትኹም ርኽስቲ እንተ ዀይና፡ ናብታ ማሕደር የሆዋ ዚነብረላ+ ምድሪ ርስቲ የሆዋ+ ስገሩ እሞ፡ ኣብ መንጎና ተቐመጡ፣ ግናኸ፡ ካብ የሆዋ ኣይትዕለዉ፡ ኣብ ርእሲ እቲ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽና፡ መሰውኢ ብምስራሕ እውን ንዓና ኣይተዕልዉና።+ 20 ዓካን+ ወዲ ዜራሕ ምስቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ብዚተሓሓዝ ምስ ጠለመስ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባ እስራኤል ቍጥዓዶ ኣይወረደን፧+ በቲ ስሕተቱ ዝሞተ ሰብ ከኣ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን።’”+ 21 ሽዑ፡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ነቶም ርእስታት ኣሽሓት* እስራኤል ከምዚ ኢሎም መለሱሎም፦+ 22 “የሆዋ ኣምላኽ ኣማልኽቲ!* የሆዋ ኣምላኽ ኣማልኽቲ!+ ንሱ ይፈልጥ እዩ፡ እስራኤል እውን ኪፈልጦ እዩ። ካብ የሆዋ እንተ ዓሊናን እንተ ጠሊምናዮንሲ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይንሓፈና። 23 ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ፡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሕብረትን ድማ ምእንቲ ኸነቕርበሉ ኢልና መሰውኢ እንተ ሰሪሕና፡ የሆዋ ይቕጽዓና።+ 24 የግዳስ፡ ብኻልእ ነገር ሰጊእና ኢና እዚ ጌርና፣ ከመይሲ፡ ‘ኣብ መጻኢ፡ ደቅኹም ንደቅና፡ “ምስ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኩም፧ 25 ኣቱም ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ የሆዋ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ዮርዳኖስ ዶብ ገይሩልና እዩ። ኣብ የሆዋ ግደ የብልኩምን” ኪብልዎም እዮም። ደቅኹም ከኣ ንደቅና ንየሆዋ ኸየምልኽዎ* ኺዓግትዎም እዮም።’ 26 “ስለዚ፡ ከምዚ በልና፦ ‘መሰውኢ ብምስራሕ ስጕምቲ ንውሰድ፣ ግናኸ ንዚሓርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ኣይኰነን፣ 27 የግዳስ፡ ንየሆዋ ብዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ሕብረትን ከነገልግሎ፡+ ኣብ መጻኢ ድማ ደቅኹም ንደቅና፡ “ኣብ የሆዋ ግደ የብልኩምን” ከይብልዎም፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎናን፡ ብድሕሬና ድማ ኣብ መንጎ ደቅና* ምስክር ምእንቲ ኪኸውን እዩ።’+ 28 ስለዚ፡ ‘ኣብ መጻኢ፡ ንዓና ወይ ንደቅና* ኸምኡ እንተ ኢሎምና፡ ንሕና ኸኣ፡ “ንዚሓርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ምስክር ኪኸውን ኢሎም ኣቦታትና ዝገበርዎ ምስሊ መሰውኢ የሆዋ ርኣዩ” ኽንብሎም ኢና’ በልና። 29 ብዘይካ እቲ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ዘሎ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽና፡+ ንዚሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ እኽልን ንመስዋእቲ ሕሩድን ዚኸውን መሰውኢ ብምስራሕ፡ ካብ የሆዋ ኽንዓሉን ሎሚ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ክንምለስንሲ፡ ኣባና ዘይሕሰብ እዩ!”+ 30 ካህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹማምንቲ ኣኼባን ርእስታት ኣሽሓት* እስራኤልን፡ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ምናሴን እተዛረብዎ ቓል ምስ ሰምዑ፡ ዓገቡ።+ 31 ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ምናሴን፡ “ንስኻትኩም በዚ ጥልመት እዚ ንየሆዋ ስለ ዘይጠለምኩምዎ፡ የሆዋ ኣብ መንጎና ኸም ዝዀነ ሎሚ ፈሊጥና። ሕጂ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ኢድ የሆዋ ኣድሒንኩምዎም ኢኹም” በሎም። 32 ሽዑ፡ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም ሹማምንትን፡ ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ካብ ምድሪ ጊልዓድ ናብ ምድሪ ከነኣን ናብ ካልኦት እስራኤላውያን ቃል ሒዞም ተመልሱ። 33 እስራኤላውያን ከኣ በቲ ቓል ዓገቡ። እስራኤላውያን ከኣ ንኣምላኽ ወደስዎ፣ ነታ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ዚቕመጡላ ምድሪ ኼጥፍእዋ ኢሎም ናባታቶም ብዛዕባ ምድያብ ድማ፡ ደጊም ኣይተዛረቡን። 34 ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ከኣ፡ “የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ” ስለ ዝበሉ፡ ነቲ መሰውኢ ሰመይዎ።* 17 ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም+ ከኣ ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። "2 ንኣዲኡ ድማ፡ “እቲ እተወስደኪ እሞ እናሰማዕኩ ዝረገምክሉ 1,100 ብሩር፡ እንሆ፡ ምሳይ ኣሎ። ኣነ እየ ወሲደዮ” በላ። ኣዲኡ ኸኣ፡ “ወደየ፡ የሆዋ ይባርኽካ” በለቶ።" "3 ንሱ ድማ ነቲ 1,100 ብሩር ንኣዲኡ መለሰላ፣ ኣዲኡ ኸኣ፡ “እዚ ብሩር እዚ፡ ንወደይ ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ምእንቲ ኺስርሓሉ፡ ካብ ኢደይ ብርግጽ ንየሆዋ ክቕድሶ እየ።+ ሕጂ ድማ ክመልሰልካ እየ” በለቶ። " 4 ነቲ ብሩር ንኣዲኡ ምስ መለሰላ፡ ኣዲኡ 200 ብሩር ወሲዳ ንኣንጠረኛ ብሩር ሃበቶ። ንሱ ኸኣ ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ገበረ፣ ኣብ ቤት ሚካ ድማ ኣንበርዎ። 5 እዚ ሚካ ዚብሃል ሰብኣይ እዚ፡ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፣ ኤፎድን+ ተራፊምን*+ ከኣ ገበረ፣ ንሓደ ኻብ ደቁ ድማ ካህኑ ኪኸውን ሸሞ።*+ 6 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን።+ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዝዀነ* ይገብር ነበረ።+ 7 ኣብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ድማ ሓደ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ዝዀነ ጐበዝ ነበረ። ንሱ ንእተወሰነ ግዜ ኣብኣ ዚነብር ሌዋዊ ነበረ።+ 8 እቲ ሰብኣይ ዚነብረሉ ቦታ ኺረክብ ኢሉ ኻብ ከተማ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ኸደ። መገዱ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ኣኽራን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ።+ 9 ሚካ ድማ፡ “ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ካብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ዝመጻእኩ ሌዋዊ እየ፣ ዝነብረሉ ቦታ ኽረክብ እኸይድ ኣለኹ” በሎ። 10 ሚካ ድማ፡ “ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣቦን* ካህንን ድማ ኩነኒ። ኣነ ኸኣ ንዓመት ዓሰርተ ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ” በሎ። ሽዑ፡ እቲ ሌዋዊ ኣተወ። 11 በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሌዋዊ ምስቲ ሰብኣይ ኪቕመጥ ተሰማምዐ፣ እቲ ጐበዝ ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ዀኖ። 12 ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ኻህኑ ኪኸውን ሸሞ፣*+ ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ሚካ ይነብር ነበረ። 13 ሽዑ፡ ሚካ፡ “እዚ ሌዋዊ ኻህን ኰይኑኒ እዩ እሞ፡ የሆዋ ጽቡቕ ከም ዚገብረለይ ሕጂ ፈለጥኩ” በለ። 18 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን።+ ነገድ ዳናውያን+ ከኣ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ርስቲ ኣይተዋህቦምን ነበረ እሞ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ዚቕመጡሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ።+ 2 ዳናውያን ድማ ነታ ምድሪ ኺስልይዋን ኪድህስስዋን ካብ ዓሌቶም ሓሙሽተ ሰብኡት፡ ክኢላታት ሰብኡት፡ ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታኦልን+ ሰደዱ። “ኬድኩም ነታ ምድሪ ዳህስስዋ” ድማ በልዎም። ንሳቶም ናብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ናብ ቤት ሚካ+ ምስ መጹ፡ ኣብኣ ሓደሩ። 3 ኣብ ጥቓ ቤት ሚካ ኸለዉ፡ ድምጺ* እቲ ሌዋዊ ጐበዝ ኣለለይዎ እሞ፡ ናብኡ ኸይዶም፡ “መን ናብዚ ኣምጺኡካ፧ ኣብዚኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧ ኣብዝስ እንታይ ኣሎካ፧” በልዎ። 4 ንሱ ኸኣ፡ “ሚካ ኸምዝን ከምዝን ገይሩለይ፣ ካህን ክዀኖ ድማ ቈጺሩኒ” ኢሉ መለሰሎም።+ 5 ንሳቶም ድማ፡ “መገድና ዚቐንዓና እንተ ዀይኑ ኽንፈልጥሲ፡ በጃኻ ንኣምላኽ ሕተተልና” በልዎ። 6 እቲ ኻህን ከኣ፡ “ብሰላም ኪዱ። የሆዋ ኣብ መገድኹም ምሳኻትኩም እዩ” በሎም። 7 እቶም ሓሙሽተ ሰብኡት ድማ ከዱ፡ ናብ ላይሽ ከኣ መጹ።+ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ህዝቢ ብርእሶም ተኣሚኖም ብልምዲ ሲዶናውያን ብህድኣትን ብዘይ ስግኣትን ከም ዚቕመጡ ረኣዩ።+ ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ዚርብሾም ጨቋኒ ወራሪ ኣይነበረን። ካብ ሲዶናውያን ድማ ርሑቓት ነበሩ፣ ምስ ዝዀነ ሰብ እውን ርክብ ኣይነበሮምን። 8 ናብቶም ኣብ ጾርዓን ኤሽታኦልን+ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ምስ ተመልሱ፡ እቶም ኣሕዋቶም፡ “ከመይ ኰይኑልኩም፧” በልዎም። 9 ንሳቶም ከኣ፡ “እታ ምድሪ ኣዝያ ጽብቕቲ ምዃና ርኢና ኢና እሞ፡ ኣንጻሮም ንደይብ። ስለምንታይ ትወላወሉ ኣለኹም፧ ነታ ምድሪ ኽትኣትውዋን ክትርስተይዋን ኣይትደንጕዩ። 10 ናብኣ ምስ በጻሕኩም፡ ብዘይ ስግኣት ዚነብር ህዝቢ ኽትረኽቡ ኢኹም፣+ እታ ምድሪ እውን ገፋሕ እያ። ኣምላኽ ንዓኣ፡ ነታ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ነገር ዘይጐድላ ቦታ፡ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም ኣሎ” በልዎም።+ 11 ሽዑ፡ ካብ ዓሌት ዳናውያን ንውግእ እተዓጥቁ 600 ሰብኡት፡ ካብ ጾርዓን ኤሽታኦልን ነቐሉ።+ 12 ደዪቦም ከኣ ኣብ ቂርያት-የዓሪም+ ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዚ፡ እታ ብምዕራብ ቂርያት-የዓሪም ዘላ ቦታ እቲኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ መሓነ-ዳን*+ ትብሃል ኣላ። 13 ካብኣ ናብ ኣኽራን ኤፍሬም ከዱ፡ ናብ ቤት ሚካ እውን መጹ።+ 14 ሽዑ፡ እቶም ንምድሪ ላይሽ ኪስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኡት+ ነቶም ኣሕዋቶም፡ “ኣብዘን ኣባይቲ እዚአን ኤፎድን ተራፊምን* ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ከም ዘሎስ ትፈልጡዶ፧+ ስለዚ፡ እትገብርዎ ሕሰቡ” በልዎም። 15 ናብኡ ኣላጊሶም ከኣ፡ ናብ ቤት እቲ ሌዋዊ ጐበዝ፡+ ናብ ቤት ሚካ መጹ እሞ፡ ደሓን እንተ ዀይኑ ሓተትዎ። 16 እቶም ንውግእ እተዓጥቁ 600 ሰብ ዳን ድማ፡+ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። 17 እቶም ነታ ምድሪ ኺስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኡት+ ነቲ ጽሩብ ምስልን ነቲ ኤፎድን+ ነቲ ተራፊምን*+ ነቲ ፍሱስ ምስልን+ ኪወስዱ ናብ ውሽጢ ኣተዉ። (እቲ ኻህን+ ከኣ ምስቶም ንውግእ እተዓጥቁ 600 ሰብኡት ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ነበረ።) 18 ንሳቶም ድማ ናብ ቤት ሚካ ኣትዮም፡ ነቲ ጽሩብ ምስልን ነቲ ኤፎድን ነቲ ተራፊምን* ነቲ ፍሱስ ምስልን ወሰዱ። ሽዑ፡ እቲ ኻህን፡ “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧” በሎም። 19 ንሳቶም ከኣ፡ “ስቕ በል። ኣፍካ ብኢድካ ሓዝ፣ ምሳና ኼድካ ድማ፡ ኣቦን* ካህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡+ ወይስ ኣብ ሓደ ነገድን ዓሌትን እስራኤል ካህን ምዃን ይሕሸካ፧”+ በልዎ። 20 እቲ ኻህን ከኣ ባህ በሎ፣ ነቲ ኤፎድን ነቲ ተራፊምን* ነቲ ጽሩብ ምስልን+ ወሲዱ ድማ፡ ምስቲ ህዝቢ ኸደ። 21 ቈልዑን ማልን ክቡር ነገራትን ቀቅድሚኦም ገይሮም መገዶም ኪኸዱ ገጾም መለሱ። 22 ካብ ቤት ሚካ እተወሰነ ርሕቀት ምስ ከዱ፡ ጐረባብቲ ሚካ ተኣኪቦም፡ ንዳናውያን ኣርከብዎም። 23 ንዳናውያን ምስ ጸውዕዎም፡ ንሳቶም ገጾም መሊሶም ንሚካ፡ “እንታይ ኢኻ ዄንካ፧ ስለምንታይ ኢኻ ተኣኪብካ ዝመጻእካና፧” በልዎ። 24 ንሱ ድማ፡ “ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይ ወሲድኩምዎም፡ ነቲ ኻህን እውን ወሲድኩምዎ። እንታይዶ ኣትሪፍኩምለይ ኢኹም፧ ከመይ ኢልኩምከ፡ ‘እንታይ ኢኻ ዄንካ፧’ እትብሉኒ፧” በሎም። 25 እቶም ዳናውያን ከኣ፡ “ቍጡዓት* ሰባት ከየጥቅዑኹም እሞ፡ ህይወትካን ህይወት ቤተ ሰብካን* ከይትስእንሲ፡ ድምጽኻ ኣባና ኣይሰማዕ” በልዎ። 26 እቶም ዳናውያን ድማ መገዶም ከዱ፣ ሚካ ኸኣ ካብኡ ኸም ዚሕይሉ ምስ ረኣየ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ ኸደ። 27 ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮን ነቲ ኻህንን ምስ ወሰዱ፡ ናብ ላይሽ፡+ ናብቲ ሃዲኡን ብዘይ ስግኣትን ዚነብር ህዝቢ መጹ።+ ንዓታቶም ከኣ ብሰይፊ ወቕዕዎም፣ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣንደድዋ። 28 ንሳ ኻብ ሲዶን ርሕቕቲ ነበረት፡ ምስ ዝዀነ ሰብ እውን ርክብ ኣይነበሮምን እሞ፡ ዜናግፋ ኣይነበረን። ንሳ ኸኣ ኣብቲ ናይ ቤት-ሬሖብ+ ጐልጐል ስንጭሮ* ነበረት። ነታ ኸተማ ዳግም ሰሪሖም ከኣ ተቐመጥዋ። 29 ነታ ኸተማ ድማ ብስም እቲ ንእስራኤል እተወልደሉ ዳን ኣቦኦም፡+ ዳን ኢሎም ሰመይዋ።+ ቅድሚኡ ግና ስም እታ ኸተማ ላይሽ ይብሃል ነበረ።+ 30 ድሕርዚ፡ ዳናውያን ነቲ ጽሩብ ምስሊ ንርእሶም ኣቘምዎ።+ ነበርቲ እታ ምድሪ ናብ ምርኮ ኽሳዕ ዚኸዱ፡ ዮናታን+ ወዲ ጌርሾም፡+ ወዲ ሙሴ፡ ንሱን ደቁን ንነገድ ዳናውያን ካህናቶም ኰኑ። 31 ነቲ ሚካ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ድማ ኣቘምዎ፣ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ሺሎ ኣብ ዝነበረትሉ ዅሉ መዓልትታት ከኣ ኣብኡ ነበረ።+ 19 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ፡+ ሽዑ ኣብ ግሉል ክፋል ኣኽራን ኤፍሬም+ ዚነብር ዝነበረ ሓደ ሌዋዊ፡ ካብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ። 2 እታ ሰበይቲ ወሰኑ ግና መንዘረት፣ ሓዲጋቶ ኸኣ ናብ ቤት ኣቦኣ ናብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ኸደት። ኣርባዕተ ወርሒ ድማ ኣብኣ ጸንሐት። 3 እቲ ሰብኣያ ኸኣ ኣእሚኑ ኺመልሳ፡ ደድሕሪኣ ኸደ፣ ምስኡ ድማ ጊልያኡን ክልተ ኣድግን ነበሩ። ንሳ ኸኣ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶ። ኣቦኣ ምስ ረኣዮ ድማ፡ ተሓጒሱ ተቐበሎ። 4 እቲ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ፡ ምስኡ ሰለስተ መዓልቲ ኺጸንሕ ኣእመኖ። ይበልዑን ይሰትዩን ከኣ ነበሩ፣ ኣብኡ እውን ይሓድር ነበረ። 5 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ኪኸዱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ ንሰብኣይ ጓሉ፡ “ሓይሊ ኽትረክብሲ* ብላዕ፣ ድሕሪኡ ትኸዱ” በሎ። 6 ስለዚ፡ ኮፍ ኢሎም፡ ክልቲኦም ብሓንሳእ በልዑን ሰተዩን። ድሕሪኡ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ፡ “በጃኻ ሕደር፡ ልብኻ እውን ይተሓጐስ” በሎ። 7 እቲ ሰብኣይ ኪኸይድ ምስ ተንስአ፡ ሓሙኡ ለመኖ እሞ፡ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ። 8 ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ ኪኸይድ ኣንጊሁ ምስ ተንስአ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ፡ “ሓይሊ ኽትረክብሲ* በጃኻ ብላዕ” በሎ። ምድሪ ኽሳዕ ዚውልውል ድማ ጸንሑ፡ ክልቲኦም ከኣ በልዑ። 9 እቲ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ወሰኑን ምስ ጊልያኡን ኪኸይድ ምስ ተንስአ፡ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ ሰበይቲ፡ “እንሆ፡ ሕጂ ኺመሲ ኢሉ ኣሎ። በጃኹም ሕደሩ። መዓልቲ ኺዓርብ ኢሉ ኣሎ። ሕደር፡ ልብኻ እውን ይተሓጐስ። ጽባሕ ድማ መገድኹም ክትከዱ ኣንጊህኩም ትትንስኡ፣ ናብ ቤትካ* እውን ትኸይድ” በሎ። 10 እቲ ሰብኣይ ግና ኪሓድር ኣይደለየን እሞ፡ ተንሲኡ ኽሳብ ይቡስ፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌም፡+ መጸ። እተን ክልተ እተጻዕና ኣእዱግን ሰበይቲ ወሰኑን ጊልያኡን ድማ ምስኡ ነበሩ። 11 ናብ ይቡስ ምስ ቀረቡ፡ ኪዓርብ ቀሪቡ ነበረ። እቲ ጊልያ ኸኣ ንጐይታኡ፡ “ናብዛ ኸተማ ይቡሳውያን ኣላጊስናዶ ኣብኣ ኽንሓድር፧” በሎ። 12 ጐይታኡ ግና፡ “እስራኤላውያን ዘይኰኑ ጓኖት ናብ ዚነብርዋ ኸተማስ ኣይነላግስን ኢና። ክሳብ ጊብዓ+ ደኣ ንኺድ” በሎ። 13 ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ “ንዓ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚአን ክንበጽሕ ንፈትን፣ ኣብ ጊብዓ ወይ ኣብ ራማ+ ኸኣ ንሕደር” በሎ። 14 መገዶም ድማ ከዱ፡ ኣብ ጥቓ ጊብዓ ናይ ብንያም ምስ በጽሑ ኸኣ ጸሓይ ዓረበቶም። 15 ኣብ ጊብዓ ኣትዮም ኪሓድሩ ድማ፡ ናብኣ ኣላገሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፣ ኣብ ቤቱ ኼሕድሮም እተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።+ 16 ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ምሸት ካብ ዕዮኡ ኻብ መሮር መጸ። ንሱ ኻብ ኣኽራን ኤፍሬም ነበረ፡+ ኣብ ጊብዓ እውን ንግዜኡ ይነብር ነበረ፣ ነበርቲ እታ ኸተማ እቲኣ ግና፡ ብንያማውያን ነበሩ።+ 17 እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ነቲ ተጓዓዚ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ምስ ረኣዮ፡ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ፧ ካበይከ መጺእካ፧” በሎ። 18 ንሱ ድማ፡ “ካብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ናብቲ ዝነብሮ ግሉል ክፋል ኣኽራን ኤፍሬም ንኸይድ ኣለና። ናብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ኸይደ ነይረ፡+ ናብ ቤት የሆዋ ኸኣ እኸይድ ኣለኹ፣* ኣብ ቤቱ ዚቕበለኒ ሰብ ግና ስኢነ። 19 ንኣእዱግና እኹል ሓሰርን ድርቋን፡+ ንዓይን ንሰበይተይን ንጊልያናን ከኣ እንጌራን+ ወይንን ኣሎና። ዚጐድለና ነገር የልቦን” በሎ። 20 እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ “ሰላም ንዓኻ ይኹን! ዜድልየካ ዘበለ ኣነ ኸማልኦ እየ። ሓንትስ ኣብዚ ኣደባባይ እዚ ደኣ ኣይትሕደር” በሎ። 21 ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸኣ፡ ነተን ኣእዱግ ዚብላዕ ሃበን። ኣእጋሮም ተሓጺቦም ከኣ በልዑን ሰተዩን። 22 ልቦም ኪሕጐስ ከሎ ኸኣ፡ ዘይጠቕሙ ሰብ እታ ኸተማ ነታ ቤት ከቢቦም፡ ነቲ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፣ ነቲ ብዓል እታ ቤት ዝዀነ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ “ምስዚ ኣብ ቤትካ ዝኣተወ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ክንገብርሲ፡ ኣውጽኣዮ” ይብልዎ ነበሩ።+ 23 እቲ ብዓል ቤት ከኣ ናባታቶም ወጺኡ፡ “ኣይፋልኩምን ኣሕዋተየ፡ ክፉእሲ ኣይትግበሩ። በጃኹም፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ጋሻ እዩ። እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ። 24 እነዋ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰን እዚ ሰብኣይን። ግዲ ኻብ በልኩም፡ ንዓታተን ከውጽኣልኩም፡ ንዓታተን ከተሕስርወን ትኽእሉ ኢኹም።*+ ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ግና፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ” በሎም። 25 እቶም ሰባት ግና ኪሰምዕዎ ኣይደለዩን። ስለዚ፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ+ ሒዙ፡ ናብኦም ናብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከኣ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዚነግህ ዓመጽዋን ሃሰይዋን። ኪወግሕ ከሎ ድማ፡ ትኺድ ሓደግዋ። 26 ኪነግህ ምስ ጀመረ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ኣፍ ደገ እታ ጐይታኣ ዘለዋ ቤት እቲ ሰብኣይ መጺኣ፡ ክሳዕ ዚበርህ ኣብኡ በጥ ኢላ ነበረት። 27 እቲ ጐይታኣ ንግሆ ተንሲኡ፡ መገዱ ኪኸይድ ማዕጾ እታ ቤት ምስ ከፈተ፡ እታ ሰበይቲ፡ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ዘርጋሕ ኢላ፡ ኣእዳዋ ኸኣ ኣብ ድርኵዂት ዘርጊሓ ነበረት። 28 ንሱ ድማ፡ “ተንስኢ፡ ንኺድ” በላ። ግናኸ፡ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ፡ ናብ ቦታኡ ኸደ። 29 ናብ ቤቱ ምስ በጽሐ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ፡ በብብልዕቲ ኣብ 12 ቘራረጻ እሞ፡ ናብ ኵላ ሃገር እስራኤል ሓሓደ ቝራጽ ሰደደ። 30 እዚ ዝረኣየ ዅሉ ኸኣ፡ “ካብታ እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ዝደየቡላ መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዀይኑ ወይ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ሕሰቡሉን ተማኸሩሉን+ እንገብሮ ንገሩናን” በለ። 20 ስለዚ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ካብ ዳን+ ክሳብ ብኤር-ሸባዕን ካብ ምድሪ ጊልዓድን፡+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብሓደ ሰሚሩ* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ሚጽጳ ተኣከበ።+ "2 ኣሕሉቕ እቲ ህዝብን ኵሎም ነገዳት እስራኤልን፡ ኣስያፍ ዝዓጠቑ 400,000 ኣጋር ተዋጋእቲ፡ ኣብ ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ ቦታኦም ሓዙ።+ " 3 ብንያማውያን ድማ ሰብ እስራኤል ናብ ሚጽጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ሰብ እስራኤል ከኣ፡ “እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝዀነ ንገሩና” በሉ።+ 4 ሽዑ፡ እቲ ሌዋዊ ሰብኣይ፡+ ሰብኣይ እታ እተቐትለት ሰበይቲ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ምስ ሰበይቲ ወሰነይ ናብ ጊብዓ ናይ ብንያም ክሓድር ኣቶኹ።+ 5 ነበርቲ* ጊብዓ ድማ ኣንጻረይ ተንስኡ እሞ፡ ነታ ቤት ብለይቲ ኸበብዋ። ኪቐትሉኒ እዮም ሓሲቦም ነይሮም፣ ኣብ ክንዳኡ ግና ንሰበይቲ ወሰነይ ዓመጽዋ እሞ ሞተት።+ 6 ኣነ ኸኣ፡ ኣብ እስራኤል ዜሕፍርን ዜነውርን ተግባር ስለ ዝገበሩ፡ ሬሳ ሰበይቲ ወሰነይ ወሲደ ቘራረጽክዎ እሞ፡ ነቲ ቝርጽራጽ ናብ ኵሉ ኽፋል ርስቲ እስራኤል ሰደድክዎ።+ 7 ሕጂ፡ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ተዛራረቡሉን ተማኸሩሉን።”+ 8 ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ሰሚሩ* ኸምዚ ኢሉ ተላዕለ፦ “ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፡ ወይ ናብ ቤቱ ኣይመለስ። 9 ሕጂ፡ ንጊብዓ እንገብራ ነገር እዚ እዩ፦ ዕጫ ኣውዲቕና ኽንጻረራ ኽንድይብ ኢና።+ "10 ብሰንኪ እቲ ኣብ እስራኤል ዝገበርዎ ነውሪ፡ ኣብታ ጊብዓ ናይ ብንያም ስጕምቲ ምእንቲ ኺወስዱ፡ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ነቲ ሰራዊት ስንቂ ዚእክቡ ኻብ 100ስ 10፡ ካብ 1,000 ከኣ 100፡ ካብ 10,000 ድማ 1,000 ሰብኡት ንውሰድ።”" 11 በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም ሰብ እስራኤል ብሓደ ሰሚሮምን* ሓቢሮምን ኣንጻር እታ ኸተማ ተኣከቡ። 12 ሽዑ፡ ነገዳት እስራኤል ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም ከምዚ ኢሎም ሰባት ለኣኹሎም፦ “እዚ ኣብ መንጎኹም ዝዀነ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ፧ 13 ሕጂ ኸኣ፡ ንኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስ፡ ነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለዉ ዘይጠቕሙ ሰባት ክንቀትሎም ሃቡና።”+ ብንያማውያን ግና ንኣሕዋቶም ሰብ እስራኤል ምስማዕ ኣበዩ። 14 ብንያማውያን ድማ ምስ ሰብ እስራኤል ኪዋግኡ ኢሎም፡ ካብ ከተማታት ናብ ጊብዓ ተኣከቡ። "15 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ካብ ከተማታቶም እተኣከቡ ብንያማውያን፡ ብዘይካ እቶም 700 ሕሩያት ሰብ ጊብዓ፡ ሰይፊ እተዓጥቁ 26,000 ሰብኡት ነበሩ።" 16 ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊት ድማ፡ 700 ዓኼሎት ሰብኡት ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ እምኒ ወንጪፎም ጸጕሪ ዘይስሕቱ ነበሩ። "17 ሰብ እስራኤል ድማ፡ ብዘይካ ኻብ ብንያም፡ ሰይፊ እተዓጥቁ 400,000 ሰብኡት ተኣከቡ፣+ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ምኩራት ተዋጋእቲ ነበሩ።" 18 ንኣምላኽ ኪሓትቱ፡ ተንሲኦም ናብ ቤት-ኤል ደየቡ።+ ሰብ እስራኤል ከኣ፡ “ምስ ብንያማውያን ንምውጋእ፡ ካባና መን መሪሑ ይደይብ፧” በሉ። የሆዋ ድማ፡ “ይሁዳ ይምራሕ” ኢሉ መለሰ። 19 ድሕርዚ፡ እስራኤላውያን ንግሆ ተንሲኦም፡ ኣንጻር ጊብዓ ሰፈሩ። 20 ሰብ እስራኤል ከኣ ምስ ብንያም ኪዋግኡ ወጹ፣ ኪዋግእዎም ድማ ኣብ ጊብዓ ተሰለፉ። "21 ብንያማውያን ከኣ ካብ ጊብዓ ወጺኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኤል 22,000 ሰብኡት ቀተሉ።" 22 ግናኸ፡ እቶም ሰራዊት ሰብ እስራኤል፡ ተቢዖም ኣብታ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ንውግእ ተሰለፉ። 23 እስራኤላውያን ድማ ደዪቦም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ ምሸት በኸዩ፣ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ብንያማውያን ክንዋጋእ ክንከይድ፧” ኢሎም ከኣ ንየሆዋ ሓተትዎ።+ የሆዋ ድማ፡ “ኣንጻሮም ደይቡ” በሎም። 24 እስራኤላውያን ከኣ ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ናብ ደቂ ብንያም ቀረቡ። "25 ብንያም ድማ ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ኺቀባበሎም ካብ ጊብዓ ወጸ እሞ፡ መሊሶም ካብ እስራኤላውያን 18,000 ሰብኡት ቀተሉ፣+ ኵላቶም ከኣ ሰይፊ እተዓጥቁ ነበሩ።" 26 ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ቤት-ኤል ደየቡ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ በኸዩን ኮፍ በሉን፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽሳዕ ምሸት ጾይሞም ከኣ፡+ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕብረትን+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረቡ። 27 ድሕርዚ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ታቦት ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ እሞ፡ ሰብ እስራኤል ንየሆዋ ሓተትዎ።+ 28 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኣሮን፡ ኣብ ቅድሚኡ የገልግል* ነበረ። ንሳቶም ድማ፡ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ሰብ ብንያም ክንዋጋእ ክንከይድ፡ ወይስ ክንሓድጎ፧” ኢሎም ሓተቱ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ጽባሕ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ እሞ፡ ደይቡ” ኢሉ መለሰ። 29 እስራኤል ድማ ንጊብዓ ብዙርያኣ ደባይ ኣንበረላ።+ 30 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ እስራኤላውያን ኣንጻር ብንያማውያን ደየቡ፣ ከምቲ ኻልእ ግዜያት ከኣ ኣንጻር ጊብዓ ተሰለፉ።+ 31 ብንያማውያን ነቲ ሰራዊት ኪቀባበልዎ ምስ ወጹ፡ ካብታ ኸተማ ተሳሕቡ።+ ከምቲ ኻልእ ግዜያት ከኣ፡ ኣብ ጐደናታት፡ ማለት ኣብታ ናብ ቤት-ኤል እተደይብን ኣብታ ናብ ጊብዓ እተብልን፡ ንገለ ኻብቶም ሰባት ኬጥቅዑን ኪቐትሉን ጀመሩ፣ ኣስታት 30 ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ መሮር ቀተሉ።+ 32 ብንያማውያን ድማ፡ “ከምቲ ናይ ቅድም ኣብ ቅድሜና ይስዓሩ ኣለዉ” በሉ።+ እስራኤላውያን ግና፡ “ነንሳሕብ እሞ፡ ካብታ ኸተማ ናብ ጐደናታት ክንስሕቦም ኢና” በሉ። 33 ኵሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ኣብ በዓል-ታማር ተሰለፉ፣ እስራኤላውያን ደባይ ድማ ካብቲ ኣብ ጥቓ ጊብዓ ዝነበሩሉ ቦታ ጠኒኖም ኣጥቅዑ። "34 በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኵሉ እስራኤል እተሓርዩ 10,000 ሰብኡት ናብ መንጽር ጊብዓ መጹ፡ እቲ ውግእ ከኣ በርትዐ። ብንያማውያን ግና ጥፍኣቶም ቀሪቡ ኸም ዝነበረ ኣይፈለጡን። " "35 የሆዋ ድማ ንብንያም ኣብ ቅድሚ እስራኤል ሰዓሮ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ካብ ብንያም 25,100 ሰብኡት ቀተሉ፣ ኵላቶም ድማ ሰይፊ እተዓጥቁ ነበሩ።+ " 36 ግናኸ፡ ብንያማውያን፡ እቶም ሰብ እስራኤል ዚስዓሩ መሰሎም፣+ ንሳቶም ግና በቲ ኣብ ጊብዓ ዘንበርዎ ደባይ ተኣሚኖም እዮም ካብ ብንያም ዘንሰሓቡ።+ 37 እቶም ደባይ ድማ ቀልጢፎም ናብ ጊብዓ ጠኒኖም ከዱ። እቶም ደባይ ከኣ ተበቲኖም ንብዘላ እታ ኸተማ ብሰይፊ ወቕዕዋ። 38 ሰብ እስራኤል ድማ፡ እቶም ነታ ኸተማ ዘድበዩላ፡ ምልክት ኪኸውን ትኪ ኻብኣ ኼዕርጉ ተሰማሚዖም ነበሩ። 39 እስራኤላውያን ኣብቲ ውግእ ገጾም ምስ መለሱ፡ ሰብ ብንያም ካብ እስራኤል 30 ሰብኡት ኬጥቅዑን ኪቐትሉን ጀመሩ፣+ “ከምቲ ዝቐደመ ውግእ፡ ኣብ ቅድሜና ብንጹር ተሳዒሮም” ከኣ በሉ።+ 40 እቲ ምልክት ግና ከም ዓንዲ ትኪ ዀይኑ ኻብታ ኸተማ ኺዓርግ ጀመረ። ሰብ ብንያም ኪርእዩ ግልጽ ምስ በሉ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብሃልሃልታ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገት ረኣዩ። 41 ሽዑ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ገጾም መለሱ፣ ሰብ ብንያም ከኣ ጥፍኣት ከም ዘርከቦም ርኣዩ እሞ፡ ተዳህሉ። 42 ካብ ሰብ እስራኤል ድማ ናብ በረኻ ኣቢሎም ኣንሰሓቡ፣ እቲ ውግእ ግና ሰዓቦም፣ እቶም ካብ ከተማታት ዝወጹ ሰባት ከኣ ኣብ ምውቃዖም ሓበሩ። 43 ንብንያማውያን ከቢቦም ድማ፡ ከየዕረፉ ሰዓብዎም። ብሸነኽ ምብራቕ ከኣ ክሳብ መንጽር ጊብዓ ረጋገጽዎም። "44 ካብ ብንያም ድማ 18,000 ሰብኡት ወደቑ፣ ኵላቶም ከኣ ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።+ " "45 ሰብ ብንያም ድማ ተመሊሶም ናብ በረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሃደሙ፣+ እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ጐደናታት ካባታቶም 5,000 ቀተሉ።* ክሳብ ጊድዖም ስዒቦም ድማ፡ ተወሰኽቲ 2,000 ሰብኡት ቀተሉ።" "46 ኵሎም እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዝወደቑ፡ ሰይፊ እተዓጥቁ 25,000 ሰብኡት ነበሩ፣+ ኵላቶም ድማ ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።" 47 ግናኸ፡ 600 ሰብኡት ናብ በረኻ ናብ ከውሒ ሪሞን ኣንሰሓቡ፣ ኣብ ከውሒ ሪሞን ከኣ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ። 48 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ብንያማውያን ተመሊሶም፡ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝረኸብዎ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ ማል፡ ብሰይፊ ወቕዕዎ። ኣብ መገዶም ንዝረኸብወን ኵለን ከተማታት እውን፡ ብሓዊ ኣንደድወን። 3 ንዅሎም እቶም ውግእ ከነኣን ዘይፈልጡ ኻብ እስራኤል ዘበሉ ኺፍትንዎም ኢሉ የሆዋ ዝሓደጎም ኣህዛብ እዚኣቶም እዮም፣+ 2 (እዚ ኸኣ እቶም ዚስዕቡ ወለዶታት እስራኤላውያን፡ እቶም ከምዚ ዝበለ ኣቐዲሞም ዘይፈልጡ፡ ውግእ ምእንቲ ኺፈልጡ ተባሂሉ እዩ)፦ 3 እቶም ሓሙሽተ ጐይተት ፍልስጥኤማውያንን+ ኵሎም ከነኣናውያንን ሲዶናውያንን+ ካብ ከረን በዓል-ሄርሞን ክሳብ ለቦ-ሓማት*+ ኣብ ከረን ሊባኖስ+ ዚነብሩ ሒዋውያንን።+ 4 እቲ ንኣቦታቶም ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞም ትእዛዛት የሆዋ ዚእዘዙ እንተ ዀይኖም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እዚኣቶም ንእስራኤል ዚፍትኑ ነበሩ።+ 5 ስለዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ መንጎ ከነኣናውያንን+ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ተቐመጡ። 6 ኣዋልድ እቲኣቶም ኣንስቲ ኪዀናኦም ይወስዱ፡ ኣዋልዶም ድማ ንኣወዳቶም ይህቡ ነበሩ፣ ንኣማልኽቶም እውን ኣገልገልዎም።+ 7 እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፣ ንየሆዋ ኣምላኾም ረሲዖም፡ ንበዓላትን+ ንኣዕኑድ ኣምልኾን* የገልግሉ ነበሩ።+ 8 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ኩሻን-ሪሻታይም ንጉስ መሶጶታምያ* ድማ ሸጦም። እስራኤላውያን ከኣ ንኩሻን-ሪሻታይም ሸሞንተ ዓመት ተገዝእዎ። 9 እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ምስ ተማህለሉ፡+ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዜድሕኖም መድሓኒ፡+ ዖትኒኤል+ ወዲ ቄናዝ፡ ንእሽቶ ሓዉ ንካሌብ፡ ኣተንስኣሎም። 10 መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መጸ እሞ፡+ ፈራዲ እስራኤል ኰነ። ኪዋጋእ ምስ ወጸ፡ የሆዋ ንኩሻን-ሪሻታይም ንጉስ መሶጶታምያ* ኣብ ኢዱ ሃቦ እሞ፡ ንኩሻን-ሪሻታይም ሰዓሮ። 11 ድሕርዚ፡ እታ ምድሪ 40 ዓመት ዓረፈት።* ዖትኒኤል ወዲ ቄናዝ ከኣ ሞተ። 12 እስራኤላውያን ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ የሆዋ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ+ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪዕወት ሓደጎ። 13 ንሱ ድማ ዓሞናውያንን+ ኣማሌቃውያንን+ ኣኽተተሎም። ንሳቶም ከኣ ንእስራኤል ኣጥቅዕዎ፡ ነታ ኸተማ ኣእዋም ተምሪ እውን ሓዝዋ።+ 14 እስራኤላውያን ድማ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ 18 ዓመት ተገዝእዎ።+ 15 እስራኤላውያን ከኣ ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣+ የሆዋ ድማ፡ ኤሁድ+ ወዲ ጌራ፡ ብንያማዊ፡+ ዓኼላይ+ ሰብኣይ፡ መድሓኒ ኣተንስኣሎም።+ እስራኤላውያን ከኣ ናብ ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ብእኡ ግብሪ ሰደዱ። 16 ኤሁድ ድማ ክልተ ዝኣፋ እመት* ዝንውሓታ ሰይፊ ገበረ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ማዕጥቖኡ ዓጠቓ። 17 እቲ ግብሪ ኸኣ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ። ዔግሎን ድማ ኣዝዩ ኸሪሹ ነበረ። 18 ኤሁድ ነቲ ግብሪ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቶም ነቲ ግብሪ ጾይሮም ዝነበሩ ህዝቢ ሰደዶም። 19 ኣብቲ ኣብ ጊልጋል+ ዘሎ ጽሩብ ምስልታት* ምስ በጽሐ ግና፡ ተመልሰ እሞ፡ “ኦ ንጉስ፡ ምስጢራዊ መልእኽቲ ኣሎኒ” በለ። እቲ ንጉስ ድማ፡ “ስቕ በል!” በሎ። እቶም ኣገልገልቱ ኸኣ ካብኡ ወጹ። 20 ንሱ ኣብታ ዝሕል ዝበለት ደርቢ ኾፍ ኢሉ ኸሎ ድማ፡ ኤሁድ ናብኡ ቐረበ። ኤሁድ ከኣ፡ “ካብ ኣምላኽ ንዓኻ ዝነግረካ መልእኽቲ ኣሎኒ” በሎ። ንሱ ድማ ካብ ዝፋኑ* ተንስአ። 21 ኤሁድ ከኣ ብጸጋመይቲ ኢዱ ነታ ሰይፊ ኻብ የማናይ ማዕጥቖኡ መሊሑ፡ ናብ ከብዱ ሸኸተሉ። 22 እታ ሰይፊ ምስ ለዓታ ኣተወት፣ ነታ ሰይፊ ኻብ ከብዱ ኣየውጽኣን እሞ፡ ነታ ሰይፊ ስብሒ ሸፈና፣ ፈርሲ ድማ ወጸ። 23 ኤሁድ ከኣ በቲ ገበላ* ኣቢሉ ወጸ፡ መዓጹ እታ ደርቢ ድሕሪኡ ዓጽዩ ድማ ሸጐሮ። 24 ንሱ ምስ ከደ፡ እቶም ገላዉ ተመልሱ እሞ፡ መዓጹ እታ ደርቢ ተሸጒሩ ረኣዩ። ስለዚ፡ “ናብታ ዝሕል ዝበለት ውሽጣዊት ክፍሊ ኣትዩ ደገ ይወጽእ ኣሎ”* በሉ። 25 ክሳዕ ዚሓፍሩ ድማ ተጸበዩ፣ ንመዓጹ እታ ደርቢ ኸም ዘይከፈቶ ምስ ረኣዩ ግና፡ መፍትሕ ወሲዶም ከፈትዎ እሞ፡ ጐይታኦም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኣዩ። 26 ኤሁድ ከኣ ኪደናጐዩ ኸለዉ ኣምለጠ፡ በቲ ጽሩብ ምስልታት*+ ሓሊፉ ድማ ናብ ሰዒራ ብደሓን በጽሐ። 27 ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም+ መለኸት ነፍሐ፣+ እስራኤላውያን ድማ፡ ንሱ ርእሶም ኰኖም እሞ፡ ካብ ኣኽራን ወረዱ። 28 ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ ንጸላእትኹም፡ ንሞኣባውያን፡ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም ኣሎ እሞ፡ ስዓቡኒ” በሎም። ንሳቶም ድማ ሰዓብዎ፡ ሞኣባውያን ዚሳገሩሉ መሳገሪታት ዮርዳኖስ እውን ሓዙ፣ ሓደ እኳ ኺሓልፍ ኣይፈቐዱን። "29 በታ ግዜ እቲኣ፡ 10,000 ሞኣባውያን ቀተሉ፣+ ኵሎም ድማ ሓያላትን ጀጋኑን ሰብኡት ነበሩ፣ ሓደ እኳ ኣየምለጠን።+" 30 ሞኣብ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብኢድ እስራኤል ተምበርከኸ፣ እታ ምድሪ ድማ 80 ዓመት ዓረፈት።*+ 31 ድሕሪኡ፡ ሻምጋር+ ወዲ ዓናት ብመጕጠዪ ኸብቲ*+ ገይሩ 600 ፍልስጥኤማውያን ቀተለ፣+ ንሱ እውን ንእስራኤል ኣድሓኖ። 7 ሽዑ፡ የሩብበዓልን—ማለት ጊዴዎን፡+—ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከኣ ሰፈሩ፣ ሰፈር ሚድያን ድማ ብሰሜኑ፡ ኣብ ኵርባ ሞሬ፡ ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ* ነበረ። 2 የሆዋ ንጊዴዎን፡ “ኣነ ንሚድያን ኣብ ኢዶም ከይህቦም፡ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ እምብዛ በዚሑ ኣሎ።+ እንተ ዘይኰነ፡ እስራኤል፡ ‘ኢደይ ኣድሒናትኒ’ ኢሉ ኺዕበየለይ እዩ።+ "3 ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ፡ ‘ዚፈርህን ራዕራዕ ዚብልን ዘበለ ይመለስ’ ኢልካ ኣውጅ” በሎ።+ ሽዑ፡ ጊዴዎን ፈተኖም፣ ካብቲ ህዝቢ ድማ 22,000 ናብ ቤቶም ተመልሱ፣ 10,000 ከኣ ተረፉ። " 4 የሆዋ ድማ ንጊዴዎን፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ገና ብዙሕ እዩ። ኣብኡ ኽፍትነልካስ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም። ‘እዚ ምሳኻ ይኺድ’ ምስ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፣ ‘እዚ ምሳኻ ኣይኺድ’ ምስ ዝብለካ ኸኣ፡ ንሱ ኣይኺድ” በሎ። 5 ሽዑ፡ ንሱ ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ። የሆዋ ድማ ንጊዴዎን፡ “ንዅሉ እቲ ኸም ዚሽርብጥ ከልቢ ብልሳኑ ማይ እናሸርበጠ ዚሰቲ፡ ካብ ኵሉ እቲ ብብርኩ ተምበርኪኹ ዚሰቲ ፍለዮ” በሎ። 6 ቍጽሪ እቶም ኢዶም ናብ ኣፎም ብምምላስ እናሸርበጡ ዝሰትዩ ኸኣ፡ 300 ዀነ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና፡ ማይ ኪሰትዩ ብብርኮም ተምበርከኹ። 7 የሆዋ ድማ ንጊዴዎን፡ “በቶም ማይ እናሸርበጡ ዝሰተዩ 300 ሰብኡት ከድሕነኩም እየ፣ ንሚድያን ከኣ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ።+ እቲ ዝተረፈ ዅሉ ህዝቢ ግና፡ ነናብ ቦታኡ ይመለስ” በሎ። 8 ሽዑ፡ ካብቶም ህዝቢ ስንቅን መለኸትን ምስ ወሰዱ፡ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ነናብ ቤቶም ሰደዶም፣ ነቶም 300 ሰብኡት ጥራይ ምስኡ ኣትረፎም። ሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ጐልጐል ስንጭሮ ነበረ።+ 9 በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ነቲ ሰፈር ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ኣጥቅዓዮ።+ 10 ንምጥቃዑ እንተ ፈሪህካ ግና፡ ምስ ጊልያኻ ጱራ ናብቲ ሰፈር ውረድ። 11 እቲ ዚዛረብዎ ድማ ስማዕ፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ነቲ ሰፈር ንምጥቃዑ ኽትተብዕ ኢኻ።”* ሽዑ፡ ንሱን ጊልያኡ ጱራን ናብ ወሰን እቲ ዝሰፈረ ሰራዊት ወረዱ። 12 ሚድያንን ኣማሌቅን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ድማ፡+ ከም ዕስለ ኣንበጣ ነቲ ጐልጐል ስንጭሮ ሸፊኖምዎ ነበሩ፣ ኣግማሎም ከኣ ቍጽሪ ዘይብለን፡+ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሐን ነበራ። 13 ጊዴዎን ድማ መጸ፣ ሓደ ሰብ ከኣ ንብጻዩ ሕልሚ ይነግሮ ነበረ፣ “እዚ ሕልሚ እዚ ሓሊመ። ጎጎ ስገም ናብ ሰፈር ሚድያን ኣንከራረወ። ናብ ድንኳን መጺኡ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖ ድማ፡ ወደቐ።+ እወ፡ ነቲ ድንኳን ገልበጦ፡ እቲ ድንኳን ከኣ ወደቐ” ድማ በሎ። 14 እቲ ብጻዩ ኸኣ፡ “እዚ ሰይፊ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ፡ እቲ ናይ እስራኤል ሰብ፡ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።+ ኣምላኽ ንሚድያንን ንዅሉ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ሂብዎ ኣሎ” በሎ።+ 15 ጊዴዎን ከኣ፡ እቲ ሕልምን ትርጉሙን ኪንገር ከሎ ምስ ሰምዐ፡+ ሰገደ። ድሕርዚ፡ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ፡ “የሆዋ ንሰፈር ሚድያን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም ኣሎ እሞ፡ ተንስኡ” በለ። 16 ነቶም 300 ሰብኡት ድማ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም፡ ኣብ ኢድ ኵላቶም ከኣ መለኸትን+ ጥራዩ ዕትሮን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓታሩ ድማ ፋናታት ሃቦም። 17 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ንዓይ ርኣዩኒ እሞ፡ ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጻሕኩ፡ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። 18 ኣነ ምስ ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ዀይነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ፡ ንስኻትኩም እውን ኣብ ኵሉ ዙርያ እቲ ሰፈር መለኸት ንፍሑ፣ ‘ንየሆዋን ንጊዴዎንን!’ ኢልኩም ድማ ጨድሩ።” 19 ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፡* ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ፡ ብኡብኡ ጊዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ 100 ሰብኡትን ናብቲ ወሰን ሰፈር መጹ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡+ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ዓታሩ እውን ሓምሸሽዎ።+ 20 ሰለስቲኦም ጭፍራ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፡ ነቲ ዓታሩ እውን ሰባበርዎ። ብጸጋመይቲ ኢዶም ፋናታት ሒዞም፡ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ነፍሑ እሞ፡ “ሰይፊ የሆዋን ጊዴዎንን!” ኢሎም ጨደሩ። 21 ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣብ በቦታኡ ቘመ፣ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ከኣ ጐየየ፡ እናጨርሐ እውን ሃደመ።+ 22 እቶም 300 ድማ መለኸት ነፍሑ፣ የሆዋ ኸኣ ኣብ ብዘሎ እቲ ሰፈር ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ብጻዩ ገበሮ።+ እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ጸረራ ኣቢሉ ኽሳብ ቤት-ሺጣ፡ ክሳብ እቲ ጥቓ ጣባት ዘሎ ወሰን ኣቤል-መሖላ+ ሃደመ። 23 ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተጸዋዊዖም ተኣከቡ እሞ፡+ ንሚድያን ሰጐጕዎ። 24 ጊዴዎን ድማ፡ “ንሚድያን ከተጥቅዕዎ ውረዱ፣ ነቲ ማያት ከኣ ክሳብ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ” ኢሉ ናብ ኵሉ ኣኽራን ኤፍሬም ልኡኻት ለኣኸ። ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም፡ ነቲ ማያት ክሳብ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ። 25 ንኽልቲኦም መሳፍንቲ ሚድያን፡ ማለት ንዖሬብን ንዝኤብን ከኣ ሓዝዎም፣ ንዖሬብ ኣብ ከውሒ ዖሬብ ቀተልዎ፡+ ንዝኤብ እውን ኣብ መጽመቝ ወይኒ ዝኤብ ቀተልዎ። ንሚድያን ከኣ ሰጐጕዎ፣+ ኣራእስ ዖሬብን ዝኤብን ድማ ናብ ጊዴዎን፡ ናብ ዞባ ዮርዳኖስ ኣምጽኡ። 12 ሰብ ኤፍሬም ድማ ተኣኪቦም ናብ ጻፎን* ተሳገሩ፣ ንይፍታሕ ከኣ፡ “ንዓሞናውያን ክትዋጋእ ክትሳገር ከለኻስ፡ ምሳኻ ኽንከይድ ዘይጸዋዕካና ስለምንታይ ኢኻ፧+ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኸነንድዳ ኢና” በልዎ። 2 ይፍታሕ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣነን ህዝበይን ምስ ዓሞናውያን ኣብ ብርቱዕ ቃልሲ ኢና ኔርና። ሓገዝ ደልየስ ጸዊዐኩም እየ፣ ንስኻትኩም ግና ካብ ኢዶም ኣየድሓንኩምንን። 3 ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ረኣኹ ኸኣ፡ ህይወተይ ቀቢጸ* ንዓሞናውያን ንምጽራር ክኸይድ ቈሪጸ።+ የሆዋ ድማ ንዓታቶም ኣብ ኢደይ ሂቡኒ። እሞኸ ደኣ፡ ስለምንታይ ሎሚ ኽትዋግኡኒ መጺእኩም፧” 4 ሽዑ፡ ይፍታሕ ንዅሎም ሰብ ጊልዓድ ኣኪቡ+ ምስ ኤፍሬም ተዋግአ፣ ሰብ ጊልዓድ ድማ ነቶም፡ “ኣቱም ኣብ ኤፍሬምን ምናሴን ዘለኹም ሰብ ጊልዓድ፡ ካብ ኤፍሬም ዝሃደምኩም ኢኹም” ዝበልዎም ሰብ ኤፍሬም ሰዓርዎም። 5 ጊልዓድ ከኣ ንኤፍሬም ቀዲምዎ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓዘ፣+ ሰብ ኤፍሬም ኪሃድሙ ኸለዉ ድማ፡ “ኣሕልፉኒ” ይብሉ ነበሩ፣ ሰብ ጊልዓድ ድማ ንነፍሲ ወከፍ፡ “ኤፍሬማዊ ዲኻ፧” ኢሎም ይሓትቱ ነበሩ። “ኣይፋለይን!” ኢሉ እንተ መለሰ ኸኣ፡ "6 “እስከ ሺቦለት በል” ይብልዎ ነበሩ። ንሱ ነታ ቓል ብልክዕ ምዝራብ ስኢኑ፡ “ሲቦለት” ምስ ዚብል ድማ፡ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ይቐትልዎ ነበሩ። በታ ግዜ እቲኣ፡ ካብ ኤፍሬም 42,000 ወደቑ። " 7 ይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሽዱሽተ ዓመት ፈረደ። ይፍታሕ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ሞተ፡ ኣብታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ኸተማኡ ድማ ተቐብረ። 8 ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኢብጻን ብዓል ቤት-ልሄም ንእስራኤል ፈረደ።+ 9 ንሱ 30 ኣወዳትን 30 ኣዋልድን ነበርዎ። ንኣዋልዱ ድማ ካብ እንዳኡ ወጻኢ ኣመርዓወን፣ ነቶም ኣወዳቱ ዚምርዓዋ 30 ኣዋልድ እውን ኣምጽአ። ንእስራኤል ከኣ ሸውዓተ ዓመት ፈረደ። 10 ኢብጻን ድማ ሞተ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ከኣ ተቐብረ። 11 ድሕሪኡ ድማ፡ ኤሎን እቲ ዛብሎናዊ ንእስራኤል ፈረደ፣ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረደ። 12 ኤሎን እቲ ዛብሎናዊ ኸኣ ሞተ፡ ኣብ ኣያሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ድማ ተቐብረ። 13 ድሕሪኡ ኸኣ፡ ዓብዶን፡ ወዲ ሂሌል እቲ ጲርዓቶናዊ፡ ንእስራኤል ፈረደ። 14 ንሱ ድማ፡ 70 ኣድጊ ዚውጥሑ 40 ደቅን 30 ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንእስራኤል ከኣ ሸሞንተ ዓመት ፈረደ። 15 ዓብዶን ወዲ ሂሌል እቲ ጲርዓቶናዊ ድማ ሞተ፣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤፍሬም፡ ኣብ ከረን ኣማሌቃውያን+ ዘላ ጲርዓቶን ከኣ ተቐብረ። 1 ድሕሪ ሞት እያሱ፡+ እስራኤላውያን* ንየሆዋ፡ “ምስ ከነኣናውያን ንምውጋእ፡ ካባና መን ቅድም ይደይብ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 2 የሆዋ ኸኣ፡ “ይሁዳ ይደይብ።+ እንሆ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ እህቦ* ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። 3 ይሁዳ ድማ ንስምኦን ሓዉ፡ “ምስ ከነኣናውያን ክዋጋእሲ፡ ናብ ብጽሒተይ* ምሳይ ደይብ።+ ኣነ ኸኣ ናብ ብጽሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ” በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ። "4 ይሁዳ ምስ ደየበ፡ የሆዋ ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሃቦም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣብ ቤዜቅ ን10,000 ሰብኡት ሰዓሩ።" 5 ንኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፣ ንከነኣናውያንን+ ንፈረዛውያንን ከኣ ሰዓርዎም።+ 6 ኣዶኒ-ቤዜቅ ምስ ሃደመ፡ ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፡ ዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸኣ ቈረጽዎ። 7 ሽዑ፡ ኣዶኒ-ቤዜቅ፡ “ዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቘርጹ 70 ነገስታት ኣብ ትሕቲ መኣደይ ዚብላዕ ይኣርዩ ነይሮም እዮም። ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈድዩኒ” በለ። ድሕርዚ፡ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡+ ኣብኣ ድማ ሞተ። 8 ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንየሩሳሌም ተዋግእዋን+ ሓዝዋን፣ ብሰይፊ ድማ ወቕዕዋ፣ ነታ ኸተማ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዋ። 9 ድሕሪኡ፡ ሰብ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ኣኽራንን ኣብ ነጌብን ኣብ ሼፈላን ዚነብሩ ከነኣናውያን ኪዋግኡ ወረዱ።+ 10 ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከደ፣ (ቅድሚኡ ስም ኬብሮን፡ ቂርያት-ኣርባዕ ነበረ)፣ ንሸሻይን ንኣሒማንን ንታልማይን ከኣ ወቕዕዎም።+ 11 ካብኡ ድማ ንነበርቲ ደቢር ኪጻረሩ ኸዱ።+ (ቅድሚኡ ስም ደቢር፡ ቂርያት-ሰፈር ነበረ።)+ 12 ካሌብ ከኣ፡+ “ንቂርያት-ሰፈር ዚወቕዓን ዚሕዛን፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ” በለ።+ 13 ዖትኒኤል+ ወዲ ቄናዝ፡+ ንእሽቶ ሓዉ ንካሌብ ድማ ሓዛ። ስለዚ፡ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 14 ንሳ ናብ ቤት ክትከይድ ከላ፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን ደፋፍኣቶ። ካብ ኣድጋ ድማ ወረደት።* ካሌብ ከኣ፡ “እንታይ ደሊኺ፧” ኢሉ ሓተታ። 15 ንሳ ኸኣ፡ “በረኸት ግዳ ሃበኒ፣ ኣብ ደቡብሲ* ምድሪ ሂብካኒ ኢኻ፣ ጉሎት-ማይም* እውን ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ጉሎትን ታሕተዋይ ጉሎትን ሃባ። 16 ደቂ ቄኒ+ ሓሙ ሙሴ ኸኣ፡+ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ኣእዋም ተምሪ+ ናብቲ ብደቡብ ዓራድ ዘሎ በረኻ ይሁዳ ደየቡ።+ ናብኡ ኸይዶም ድማ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተቐመጡ።+ 17 ይሁዳ ኸኣ ምስ ሓዉ ስምኦን ከደ፣ ነቶም ኣብ ጽፋት ዚነብሩ ከነኣናውያን ድማ ኣጥቅዕዎም፡ ንዓኣ ኸኣ ኣጥፍእዋ።+ ስለዚ፡ ስም እታ ኸተማ፡ ሖርማ* ተባህለ።+ 18 ይሁዳ ኸኣ ንጋዛን+ ንኸባቢኣን ንኣሽቀሎንን+ ንኸባቢኣን ንዔቅሮንን ንኸባቢኣን ሓዘን።+ 19 የሆዋ ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቲ ኣኽራን ተረስተይዎ፣ ንነበርቲ እቲ ጐልጐል* ግና፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን ሰረገላታት* ስለ ዝነበራኦም፡ ኪሰጕግዎም ኣይከኣሉን።+ 20 ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ፡ ኬብሮን ሃብዎ፣+ ንሱ ኸኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ሰጐጎም።+ 21 ብንያማውያን ግና ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ይቡሳውያን ኣይሰጐጕዎምን፣ እቶም ይቡሳውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምስ ብንያማውያን ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ኣለዉ።+ 22 ቤት ዮሴፍ+ ድማ ንቤት-ኤል ኪጻረርዋ ደየቡ፡ የሆዋ ኸኣ ምሳታቶም ነበረ።+ 23 ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤት-ኤል ይስልይዋ ነበሩ፣ (ቅድሚኡ ስም እታ ኸተማ፡ ሉዝ ነበረ)፣+ 24 እቶም ሰለይቲ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኺወጽእ ረኣዩ። ንዕኡ ድማ፡ “በጃኻ፡ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ክንልውሃልካ* ኢና” በልዎ። 25 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ መእተዊ እታ ኸተማ ኣርኣዮም፣ ንሳቶም ድማ ነታ ኸተማ ብሰይፊ ወቕዕዋ፣ ነቲ ሰብኣይን ንዓሌቱን ግና ይኺዱ ሓደግዎም።+ 26 እቲ ሰብኣይ ከኣ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ፡ ከተማ ሰርሐ እሞ፡ ሉዝ ኢሉ ሰመያ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ስማ ንሱ እዩ። 27 ምናሴ ኸኣ ንቤት-ሸኣንን ንዓድታታን፡ ንታዓናክን+ ንዓድታታን፡ ንነበርቲ ዶርን ዓድታታን፡ ንነበርቲ ዪብልዓምን ዓድታታን፡ ንነበርቲ መጊዶን ዓድታታን ኣይወረሶምን።+ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኺነብሩ ቘረጹ። 28 እስራኤል ምስ በርትዐ፡ ነቶም ከነኣናውያን ብግዲ ኣሸቀሎም እምበር፡+ ጠሪሱ ኣይሰጐጎምን።+ 29 ኤፍሬም እውን ነቶም ኣብ ጌዘር ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኣይሰጐጎምን። እቶም ከነኣናውያን ድማ ኣብ መንጎኦም ኣብ ጌዘር ተቐመጡ።+ 30 ዛብሎን ንነበርቲ ቂጥሮንን ንነበርቲ ናሃሎልን ኣይሰጐጎምን።+ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብ መንጎኦም ተቐመጡ፡ ብግዲ ዚሽቅሉ እውን ኰኑ።+ 31 ኣሴር ንነበርቲ ዓኮን ንነበርቲ ሲዶንን+ ኣሕላብን ኣክዚብን+ ሔልባን ኣፊቅን+ ሬሖብን ኣይሰጐጎምን።+ 32 ኣሴራውያን ስለ ዘይሰጐጕዎም ድማ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ከነኣናውያን ተቐመጡ። 33 ንፍታሌም ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ከነኣናውያን ተቐመጠ እምበር፡+ ንነበርቲ ቤት-ሸመሽን ንነበርቲ ቤት-ዓናትን+ ኣይሰጐጎምን። ነበርቲ ቤት-ሸመሽን ቤት-ዓናትን ከኣ ንዓታቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ዀኑ። 34 እቶም ኣሞራውያን ድማ ንዳናውያን ኣብ ኣኽራን ደረትዎም እምበር፡ ናብ ጐልጐል* ኪወርዱ ኣይሓደግዎምን።+ 35 እቶም ኣሞራውያን ከኣ ኣብ ከረን ሔረስን ኣብ ኣያሎንን+ ኣብ ሻዓልቢምን+ ኪቕመጡ ቘረጹ። ቤት ዮሴፍ እናሓየለት* ምስ ከደት ግና፡ ብግዲ ዚሽቅሉ ዀኑ። 36 ሃገር ኣሞራውያን ድማ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም፡+ ካብ ሴላዕ ናብ ላዕሊ ነበረ። 8 ሰብ ኤፍሬም ድማ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካና፧ ምስ ሚድያን ክትዋጋእ ክትከይድ ከለኻ ስለምንታይ ዘይጸዋዕካና፧” በልዎ።+ ኣበርቲዖም ከኣ ተቛየቝዎ።+ 2 ንሱ ግና፡ “ምስ ናታትኩም ኪነጻጸር ከሎስ፡ እንታይዶ ገይረ እየ፧ ካብ እቶት ወይኒ ኣቢ-ዔዘርሲ፡+ ቀሪም ኤፍሬምዶ ኣይበልጽን፧+ 3 ኣምላኽ ንመሳፍንቲ ሚድያን፡ ንዖሬብን ንዝኤብን፡ ኣብ ኢድኩም እዩ ሂቡኩም።+ ምስ ናታትኩም ኪነጻጸር ከሎስ፡ እንታይዶ ገይረ እየ፧” በሎም። እዚ ዘረባ እዚ ምስ ተዛረቦም፡ ሃድኡ።* 4 ጊዴዎን ድማ ናብ ዮርዳኖስ መጺኡ ተሳገሮ። ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ 300 ሰብኡትን ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ፡ ይሰጕጉ ነበሩ። 5 ንሰብ ሱኮት ከኣ፡ “ነቶም ነገስታት ሚድያን ዝዀኑ ዜባሕን ጻልሙናን እሰጕጕ ኣለኹ፡ እዞም ዚስዕቡኒ ዘለዉ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፡ በጃኹም እንጌራ ሃብዎም” በሎም። 6 መሳፍንቲ ሱኮት ግና፡ “ንሰራዊትካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኣእዳው ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፧” በሉ። 7 ጊዴዎን ከኣ፡ “እምበኣር፡ የሆዋ ንዜባሕን ንጻልሙናን ኣብ ኢደይ ምስ ሃበኒ፡ ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ክዘብጠኩም እየ” በለ።+ 8 ካብኡ ናብ ጰኑኤል ደዪቡ ድማ፡ ንዓታቶም ከምኡ ኢሉ ተዛረቦም፣ ሰብ ጰኑኤል ከኣ፡ ከምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ። 9 ንሰብ ጰኑኤል ድማ፡ “ብሰላም ምስ ተመለስኩ፡ ነዚ ግምቢ እዚ ኸፍርሶ እየ” በሎም።+ "10 ዜባሕን ጻልሙናን ከኣ ምስ ኣስታት 15,000 ዚኸውን ሰራዊቶም፡ ኣብ ቃርቆር ነበሩ። ሰይፊ ዝዓጠቑ 120,000 ሰባት ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ካብ ብዘሎ ሰራዊት ደቂ ምብራቕ እዚኣቶም ጥራይ ተሪፎም ነበሩ።+" 11 ጊዴዎን ድማ ብመገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ኣብ ዮግበሃን+ ዝነበሩ ተቐማጦ ድንኳን ደዪቡ፡ ነቲ ዘይተዳለወ ሰፈር ኣጥቅዖ። 12 ዜባሕን ጻልሙናን ምስ ሃደሙ፡ ንሱ ስዒቡ ነቶም ክልተ ነገስታት ሚድያን ዝዀኑ ዜባሕን ጻልሙናን ሓዞም፡ ንብዘሎ እቲ ሰፈር እውን ኣሸበሮ። 13 ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ከኣ በቲ ናብ ሔረስ ዜደይብ መተሓላለፊ ኻብ ውግእ ተመልሰ። 14 ኣብ መገዱ፡ ካብ ሱኮት ንሓደ ጐበዝ ሒዙ መርመሮ። እቲ ጐበዝ ከኣ ስማት መሳፍንትን ዓበይትን ሱኮት፡ 77 ሰብኡት ጸሓፈሉ። 15 ሽዑ፡ ናብ ሰብ ሱኮት ከይዱ፡ “እቶም ብዛዕባኦም፡ ‘ንዝደኸሙ ሰብካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኣእዳው ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፧’ ኢልኩም ዘባጨኹምለይ ዜባሕን ጻልሙናን እነዉ” በሎም።+ 16 ንዓበይቲ እታ ኸተማ ወሲዱ ኸኣ፡ ንሰብ ሱኮት ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ቀጽዖም።+ 17 ንግምቢ ጰኑኤል እውን ኣፍረሶ፣+ ንሰብ እታ ኸተማ ድማ ቀተሎም። 18 ንዜባሕን ንጻልሙናን ከኣ፡ “እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነይሮም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፡ “ከማኻ እዮም ነይሮም፣ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ንጉስ ይመስል ነይሩ” በልዎ። 19 ንሱ ኸኣ፡ “ኣሕዋተይ፡ ደቂ ኣደይ እዮም ነይሮም። ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ብህይወት እንተ ትሓድግዎምሲ፡ ኣይምቐተልኩኹምን ነይረ” በለ። 20 ንየተር በዅሪ ወዱ ድማ፡ “ተንስእ፡ ቅተሎም” በሎ። እቲ ጐበዝ ግና፡ ገና ንእሽቶ ስለ ዝነበረ፡ ፈሪሁ ሰይፉ ኣይመልሐን። 21 ዜባሕን ጻልሙናን ከኣ፡ “ሰብኣይ ብሓይሉ እዩ ዚፍረድ እሞ፡* ንስኻ ባዕልኻ ተንሲእካ ቕተለና” በሉ። ጊዴዎን ድማ ተንሲኡ ንዜባሕን ንጻልሙናን ቀተሎም፣+ ነቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ወርሒ ዝቕርጹ ስልማት ከኣ ወሰዶ። 22 ሰብ እስራኤል ድማ ንጊዴዎን፡ “ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሒንካና ኢኻ እሞ፡+ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና” በልዎ። 23 ጊዴዎን ግና፡ “ኣነ ኣይገዝኣኩም፡ ወደይ እውን ኣይገዝኣኩም። የሆዋ ደኣ እዩ ዚገዝኣኩም” በሎም።+ 24 ጊዴዎን ከኣ፡ “ካባኻትኩም ግዳ ሓደ ልማኖ ኽልምን፦ ነፍሲ ወከፍኩም ከካብቲ ዝማረኾ ቐለቤት ኣፍንጫ ሃቡኒ” በሎም። (ንሳቶምሲ እስማኤላውያን ስለ ዝነበሩ፡ ናይ ኣፍንጫ ቐላብቲ ወርቂ ነበሮም።)+ 25 ንሳቶም ድማ፡ “ተሓጒስና ንህበካ” ኢሎም መለሱ። ክዳን ከኣ ዘርግሑ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ከካብቲ ዝማረኾ ቐለቤት ኣፍንጫ ናብኡ ደርበየ። "26 ብዘይካ እቲ እቶም ነገስታት ሚድያን ዚገብርዎ ዝነበሩ ወርሒ ዝቕርጹ ስልማትን ኵትሻን ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ ጸምርን ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ስልማትን፡+ እቲ ዝለመኖ ናይ ኣፍንጫ ቐላብቲ ወርቂ፡ 1,700 ሲቃል* ወርቂ ዀነ። " 27 ጊዴዎን ከኣ ንዕኡ ኤፎድ ገይሩ፡+ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዖፍራ ኣንበሮ።+ ኣብኡ ድማ፡ ኵሉ እስራኤል ምስኡ ብመንፈሳዊ መዳይ መንዘረ፣+ እዚ ኸኣ ንጊዴዎንን ንቤተ ሰቡን መፈንጠራ ዀነ።+ 28 ሚድያን+ ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ተምበርከኹ፣ መሊሶም ከኣ ኣይበድህዎምን።* እታ ምድሪ ድማ፡ ብዘመን ጊዴዎን 40 ዓመት ዓረፈት።*+ 29 የሩብበዓል+ ወዲ ዮኣስ ከኣ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ተቐመጠ። 30 ጊዴዎን ድማ ብዙሓት ኣንስቲ ስለ ዝነበራኦ፡ 70 ኣወዳት ወለደ።* 31 እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ ኸኣ ወዲ ወለደትሉ፡ ኣቢሜሌክ ኢሉ ድማ ሰመዮ።+ 32 ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ከኣ ብጽቡቕ እርጋን ሞተ፡ ኣብታ ኣብ ናይ ኣቢ-ዔዘራውያን ዖፍራ ዘላ መቓብር ኣቦኡ ዮኣስ ድማ ተቐብረ።+ 33 ጊዴዎን ምስ ሞተ፡ እስራኤላውያን መሊሶም ምስ በዓላት ብመንፈሳዊ መዳይ መንዘሩ፣+ ንበዓል-በሪት ከኣ ኣምላኾም ገበርዎ።+ 34 እስራኤላውያን ድማ ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ዅሎም ጸላእቶም ዘናገፎም+ የሆዋ ኣምላኾም ኣይዘከርዎን።+ 35 ንቤተ ሰብ የሩብበዓል፡ ማለት ጊዴዎን፡ እውን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ንእስራኤል ዝገበረሉ ጽቡቕ፡ ብተኣማንነት ኣየፍቀርዎምን።+ 11 ይፍታሕ+ እቲ ጊልዓዳዊ ድማ ሓያል ጅግና ነበረ፣ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ነበረ፡ ጊልዓድ ከኣ ኣቦ ይፍታሕ ነበረ። 2 ሰበይቲ ጊልዓድ እውን ኣወዳት ወለደትሉ። ደቂ እታ ሰበይቲ ምስ ዓበዩ ድማ፡ ንይፍታሕ፡ “ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤተ ሰብ ኣቦና ርስቲ ኣይኪህልወካን እዩ” ኢሎም ሰጐጕዎ። 3 ሽዑ፡ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሃደመ፣ ኣብ ምድሪ ጦብ ከኣ ተቐመጠ። ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ድማ ምስ ይፍታሕ ሓበሩ፡ ንዕኡ እውን ሰዓብዎ። 4 ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ዓሞናውያን ምስ እስራኤል ተዋግኡ።+ 5 ዓሞናውያን ምስ እስራኤል ምስ ተዋግኡ ኸኣ፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ኪመልስዎ ኸዱ። 6 ንይፍታሕ ድማ፡ “ምስ ዓሞናውያን ክንዋጋእ ምእንቲ ኽንክእል፡ ንዓ ኣዛዚና ኹን” በልዎ። 7 ይፍታሕ ግና ነቶም ዓበይቲ ጊልዓድ፡ “ንስኻትኩም ደይኰንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምኒ፧+ ሕጂ ደኣ ምስ ጨነቐኩም፡ ስለምንታይ ናባይ መጺእኩም፧” በሎም። 8 እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ “ስለዚ ኢና ናባኻ እተመለስና። ምሳና ኼድካ ምስ ዓሞናውያን እንተ ተዋጊእካ፡ ንዅልና ነበርቲ ጊልዓድ መራሒና ኽትከውን ኢኻ” በልዎ።+ 9 ይፍታሕ ከኣ ነቶም ዓበይቲ ጊልዓድ፡ “ምስ ዓሞናውያን ክዋጋእ እንተ መሊስኩምኒ፡ የሆዋ ድማ ኣብ ኢደይ እንተ ሂቡኒ፡ ሽዑ ኣነ ብርግጽ መራሒኹም ክኸውን እየ!” በሎም። 10 እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከኣ ንይፍታሕ፡ “ከምቲ ዝበልካዮ እንተ ዘይጌርና፡ የሆዋ ኣብ መንጎና ምስክር* ይኹን” በልዎ። 11 ስለዚ፡ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ መራሒኦምን ኣዛዚኦምን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኵሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደገሞ።+ 12 ይፍታሕ ከኣ ናብ ንጉስ ዓሞናውያን፡+ “ንምድረይ ከተጥቅዕ ዝመጻእካስ፡ ምሳይ እንታይ ኣሎካ፧”* ኢሉ ልኡኻት ለኣኸሉ። 13 ንጉስ ዓሞናውያን ድማ ነቶም ልኡኻት ይፍታሕ፡ “እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ ምድረይ፡ ካብ ኣርኖን+ ክሳብ ያቦቅን ክሳብ ዮርዳኖስን፡+ ስለ ዝወሰደለይ እየ።+ ሕጂ ብሰላም ምለሰለይ” በሎም። 14 ይፍታሕ ግና ናብ ንጉስ ዓሞናውያን መሊሱ ልኡኻት ሰደደ እሞ፡ 15 ከምዚ በሎ፦ “ይፍታሕ ከምዚ ይብል፦ ‘እስራኤል ምድሪ ሞኣባውያንን+ ምድሪ ዓሞናውያንን+ ኣይወሰደን። 16 እስራኤልሲ ኻብ ግብጺ ምስ ደየበ፡ ብበረኻ ኣቢሉ ኽሳብ ቀይሕ ባሕሪ ኸደ፡+ ናብ ቃዴስ ድማ መጸ።+ 17 ሽዑ፡ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶም፡+ “በጃኻ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ” ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፣ ንጉስ ኤዶም ግና ኣይሰምዖን። ናብ ንጉስ ሞኣብ+ ከኣ ለኣኸ፣ ንሱ እውን ኣይፈተወን። እስራኤል ድማ ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ።+ 18 ብበረኻ ምስ ከደ፡ ንምድሪ ኤዶምን ንምድሪ ሞኣብን ዞሮ።+ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ ከይዱ ድማ፡ ኣብ ዞባ ኣርኖን ሰፈረ፣ ኣርኖን ዶብ ሞኣብ እዩ እሞ፡ ናብ ውሽጢ ዶብ ሞኣብሲ ኣይኣተወን።+ 19 “‘ድሕርዚ፡ እስራኤል ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ልኡኻት ለኣኸ፣ እስራኤል ከኣ፡ “በጃኻ ናብ ቦታይ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ” በሎ።+ 20 ሲሆን ግና እስራኤል ብሃገሩ ኺሓልፍ ኣይኣመኖን፣ ስለዚ፡ ሲሆን ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኣብ ያሃጽ ሰፈረ፡ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግአ።+ 21 ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንሲሆንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ እስራኤል ሃቦም፣ ንሳቶም ድማ ሰዓርዎም፡ ንዅላ ምድሪ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣሞራውያን ከኣ ተረስተይዋ።+ 22 በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኣርኖን ክሳብ ያቦቅ፡ ካብ በረኻ ኸኣ ክሳብ ዮርዳኖስ፡ ኵላ ሃገር ኣሞራውያን ተረስተዩ።+ 23 “‘ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ዝሰጐጎም፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እዩ፣+ ሕጂ ኸኣ፡ ንስኻዶ ኽትሰጕጎም ኢኻ፧ 24 ከሞሽ ኣምላኽካ+ ዘረስተየካዶ ኣይትርስተን፧ ከምኡ ድማ ንሕና ነቶም የሆዋ ኣምላኽና ኻብ ቅድሜና ዝሰጐጎም ዘበሉ ኽንሰጕግ ኢና።+ 25 ሕጂ ኸኣ፡ ካብ ባላቅ+ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብዶ ንስኻ ትበልጽ ኢኻ፧ ንሱዶ ምስ እስራኤል ተባኢሱ ወይ ምሳታቶም ተዋጊኡ እዩ፧ 26 እስራኤል ኣብ ሔስቦንን ዓድታታን+ ኣብ ዓሮዔርን ዓድታታን ኣብ ገምገም ኣርኖን ኣብ ዘለዋ ዅለን ከተማታትን 300 ዓመት ተቐሚጡ ኸሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ግዜ እቲ ኽትወስድዎ ዘይፈተንኩም፧+ 27 ኣነስ ኣይበደልኩኻን፡ ንስኻ ግና ንዓይ ብምጥቃዕካ ትጋገ ኣለኻ። እቲ ፈራዲ ዝዀነ የሆዋ+ ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤልን ኣብ መንጎ ህዝቢ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ።’” 28 ንጉስ ዓሞናውያን ግና ነቲ ይፍታሕ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ኣይሰምዖን። 29 ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ፣+ ንሱ ኸኣ ብጊልዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ናብ ሚጽጰ ናይ ጊልዓድ ሓለፈ፡+ ካብ ሚጽጰ ናይ ጊልዓድ ከኣ ናብ ዓሞናውያን ሓለፈ። 30 ይፍታሕ ድማ ከምዚ ኢሉ ንየሆዋ ተመባጽዐ፦+ “ንዓሞናውያን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካኒ፡ 31 ሽዑ ኻብ ዓሞናውያን ብሰላም ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ኣፍ ደገ ቤተይ ዚወጽእ፡ ንየሆዋ ኪኸውን እዩ፣+ ኣነ እውን ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ከቕርቦ እየ።”+ 32 ሽዑ፡ ይፍታሕ ምስ ዓሞናውያን ኪዋጋእ ከደ፣ የሆዋ ኸኣ ንዓታቶም ኣብ ኢዱ ሃቦ። 33 ካብ ዓሮዔር ክሳብ ሚኒት፡—20 ኸተማ፡—ክሳብ ኣቤል-ከራሚም ድማ ወቒዑ ኣመና ብዙሓት ቀተለ። ዓሞናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ተምበርከኹ። 34 ይፍታሕ ድማ ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ምስ መጸ፡+ እንሃ፡ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቅበሎ ወጸት። ንሳ ኸኣ ሓንቲ በይና ውሉዱ ነበረት። ብዘይካኣ ወዲ ዀነ ጓል ኣይነበሮን። 35 ምስ ረኣያ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ “ኣየ፡ ጓለየ! እቲ ዝሰጕጎ ንስኺ ዄንኪ ኢኺ እሞ፡ ልበይ ሴርክዮ።* ናብ የሆዋ ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክመልሶ ድማ ኣይክእልን እየ” በለ።+ 36 ንሳ ኸኣ፡ “ኣቦየ፡ የሆዋ ኣብቶም ጸላእትኻ ዓሞናውያን ሕነ ስለ ዝፈደየልካ፡ ናብ የሆዋ ኣፍካ ኻብ ከፈትካስ፡ ከምቲ እተመባጻዕካዮ ግበረኒ” በለቶ።+ 37 ንኣቦኣ ድማ፡ “እዚ ነገር እዚ ይገበረለይ፦ ክልተ ወርሒ በይነይ ክኸውን፡ ናብ ኣኽራን ከይደ ኸኣ፡ ምስ ኣዳኖታተይ ንድንግልናይ ክበኽየላ”* በለቶ። 38 ንሱ ድማ፡ “ኪዲ” በላ። ክልተ ወርሒ ኸኣ ሰደዳ፣ ንሳ ኸኣ ምስ ኣዳኖታታ ናብ ኣኽራን ከይዳ፡ ንድንግልናኣ በኸየትላ። 39 ኣብ መወዳእታ ኽልተ ወርሒ ድማ ናብ ኣቦኣ ተመልሰት፣ ንሱ ኸኣ ከምቲ ብዛዕባኣ እተመባጽዖ ገበረ።+ ንሳ ድማ ሰብኣይ ከቶ ኣየእተወትን። እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤል ልምዲ* ዀነ፦ 40 ኣዋልድ እስራኤል ዓመት ዓመት እናኸዳ፡ ንጓል ይፍታሕ እቲ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይንእዳኣ ነበራ። 2 መልኣኽ የሆዋ+ ድማ ካብ ጊልጋል+ ናብ ቦኪም ደዪቡ፡ ከምዚ በለ፦ “ካብ ግብጺ ኣውጺአ፡ ናብታ ንኣቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣደየብኩኹም።+ ከምዚ ድማ በልኩኹም፦ ‘ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ከቶ ኣይከፍርሶን እየ።+ 2 ንስኻትኩም እውን ምስ ነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ኺዳን ኣይትእተዉ፣+ መሰውኢታቶም ከኣ ኣፍርሱ።’+ ንስኻትኩም ግና፡ ድምጸይ ኣይሰማዕኩምን።+ ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩም፧ 3 ስለዚ ድማ እየ፡ ‘ካብ ቅድሜኹም ኣይክሰጕጎምን እየ፣+ ንሳቶም ከኣ መፈንጠራ ኪዀኑኹም፡+ ኣማልኽቶም እውን ኬስድዑኹም እዮም’ ዝበልኩ።”+ 4 እቲ መልኣኽ የሆዋ ንዅሎም እስራኤላውያን እዘን ቃላት እዚአን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ። 5 ስለዚ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ቦኪም* ኢሎም ሰመይዋ፣ ኣብኣ ኸኣ ንየሆዋ ሰውኡሉ። 6 እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም፡ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ኺርስተዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ኸደ።+ 7 እቲ ህዝቢ ኸኣ ብዅሉ ዘመን እያሱን ብዅሉ ዘመን እቶም ድሕሪ እያሱ ዝጸንሑ እሞ ዅሉ እቲ የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ዝገበሮ ዓብዪ ግብርታት ዝረኣዩ ዓበይትን፡ ንየሆዋ የገልግሎ ነበረ።+ 8 እያሱ ወዲ ነዌ፡ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ።+ 9 ኣብታ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ+ ዘላ ቲምናት-ሴራሕ እትብሃል ዓዲ ርስቱ ኸኣ ቀበርዎ።+ 10 ኵሉ እቲ ወለዶ እቲ ድማ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ፣* ድሕሪኦም ከኣ፡ ንየሆዋ ወይ ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስአ። 11 እስራኤላውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፡ ንበዓላት እውን ኣገልገሉ።*+ 12 በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓደግዎ።+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ከኣ ሰዓቡ፣+ ንዓታቶም እውን ሰገዱሎም እሞ፡ ንየሆዋ ኣዀረይዎ።+ 13 ንየሆዋ ሓዲጎም ድማ፡ ንበዓልን ንምስልታት ኣሽቶረትን ኣገልገሉ።+ 14 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ዚዘምትዎም ዘመትቲ ኸኣ ኣሕሊፉ ሃቦም።+ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ጸላእቶም ድማ ሸጦም፣+ ናታቶም ዘበለ ኸኣ ካብ ጸላእቶም ኬናግፉ ኣይከኣሉን።+ 15 ከምቲ የሆዋ እተዛረቦምን ከምቲ የሆዋ ዝመሓለሎምን፡+ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም መዓት ብምምጻእ ትጻረሮም ነበረት፣+ ኣመና ድማ ጨነቖም።+ 16 የሆዋ ኸኣ ካብ ኢድ ዘመትቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ* የተንስኣሎም ነበረ።+ 17 ንሳቶም ግና ነቶም መሳፍንቲ እኳ ኣይሰምዕዎምን፣ ምስ ካልኦት ኣማልኽቲ ይምንዝሩን ንዓታቶም ይሰግዱሎምን ነበሩ። ካብታ እቶም ትእዛዛት የሆዋ እተኣዘዙ ኣቦታቶም ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣልገሱ።+ ከማታቶም እውን ኣይገበሩን። 18 የሆዋ በቲ ብሰንኪ እቶም ዝጨቈንዎምን+ ዝገፍዕዎምን ዚቝዝምዎ ቝዝማ ይድንግጸሎም*+ ነበረ እሞ፡ የሆዋ፡ መሳፍንቲ ኼተንስኣሎም ከሎ፡+ የሆዋ ምስቲ መስፍን ኰይኑ፡ ብዅሉ ዘመን እቲ መስፍን ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ። 19 እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓብን ንዓታቶም ብምግልጋልን ብምስጋድን፡ ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ይበላሸዉ ነበሩ።+ ግብሮምን መገዲ ንቕጽናኦምን ኣይሓደጉን። 20 ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡+ ከምዚ በሎም፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ንኣቦታቶም ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዝጠሓሱን+ ንዓይ ስለ ዘይተኣዘዙንን፡+ 21 ኣነ ድማ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሓደጎም ኣህዛብ፡ ሓደ እኳ ኻብ ቅድሚኦም ኣይክሰጕጕን እየ።+ 22 እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለዉ፡ ንሳቶም እውን ብእኡ ብምምልላስ መገዲ የሆዋ ዚሕልዉ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም፡ ንእስራኤል ንምፍታን እዩ።”+ 23 ስለዚ፡ የሆዋ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም ሓደጎም። ቀልጢፉ ኣይሰጐጎምን፡ ኣብ ኢድ እያሱ እውን ኣይሃቦምን። 4 እስራኤላውያን ግና፡ ኤሁድ ምስ ሞተ፡ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ።+ 2 የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም።+ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ እቲ ኣብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት*+ ዚቕመጥ ዝነበረ ሲሰራ ነበረ። 3 ያቢን* ድማ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን 900 ሰረገላታት* ነበራኦ፡+ ንእስራኤላውያን ከኣ 20 ዓመት ኣመና ጨቈኖም፣+ ስለዚ፡ እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+ 4 ዴቦራ፡ ነብዪት+ ሰበይቲ ላጲዶት ድማ፡ በታ ግዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት። 5 ንሳ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መንጎ ራማን+ ቤት-ኤልን+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም እትርከብ ኦም ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት፣ እስራኤላውያን ድማ ንፍርዲ ናብኣ ይድይቡ ነበሩ። "6 ንሳ ኸኣ ንባራቅ+ ወዲ ኣቢኖዓም ካብ ቀደሽ-ንፍታሌም+ ልኢኻ ጸዊዓ፡ ከምዚ በለቶ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ትእዛዝዶ ኣይሃበን፧ ‘ኪድ፡ ናብ ከረን ታቦር ተጐዓዝ፣* ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ድማ 10,000 ሰብኡት ውሰድ።" 7 ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ርባ ቂሶን+ ከምጽኦ እየ፣ ኣብ ኢድካ ኸኣ ክህበካ እየ።’”+ 8 ባራቅ ድማ፡ “ምሳይ እንተ ኼድኪ፡ ክኸይድ እየ፣ ምሳይ እንተ ዘይኬድኪ ግና፡ ኣይከይድን እየ” በላ። 9 ንሳ ኸኣ፡ “ብርግጽ ምሳኻ ክኸይድ እየ። ግናኸ፡ የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺህቦ እዩ እሞ፡ እዚ እትኸዶ ዘለኻ ወፈራ ንኽብርኻ ኣይኪኸውንን እዩ” በለቶ።+ ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቀደሽ ከደት።+ "10 ባራቅ ከኣ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን+ ናብ ቀደሽ ጸውዖም፣ 10,000 ሰብኡት ድማ ኣሰሩ ሰዓቡ። ዴቦራ እውን ምስኡ ደየበት። " 11 ሔበር እቲ ቄናዊ ኸኣ ካብ ቄናውያን፡+ ደቂ ሖባብ ሓሙ ሙሴ፡+ ተፈልዩ ነበረ፣ ድንኳኑ ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ቀደሽ ዘሎ ዓብዪ ኦም ጸዓናኒም ተኺሉ ነበረ። 12 ንሲሰራ ኸኣ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ ተነግሮ።+ 13 ሽዑ፡ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱን፡—ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን 900 ሰረገላታት፡*—ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ካብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ።+ "14 ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ “እታ የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ እዚኣ እያ እሞ፡ ተንስእ። የሆዋ ቐቅድሜኻ ይወጽእዶ የሎን፧” በለቶ። ባራቅ ከኣ 10,000 ሰብኡት እናሰዓብዎ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ።" 15 የሆዋ ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ሰይፊ ባራቅ ኣሸበሮም።+ ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ፡ ብእግሩ ሃደመ። 16 ባራቅ ድማ ነቲ ሰረገላታትን ነቲ ሰራዊትን ክሳብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት ሰጐጎ። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብሰይፊ ወደቐ፣ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ 17 ኣብ መንጎ ያቢን+ ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር እቲ ቄናውን ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል+ ሰበይቲ ሔበር+ እቲ ቄናዊ ሃደመ። 18 ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ “ጐይታይ፡ እቶ፡ ናብዚ እቶ። ኣይትፍራህ” በለቶ። ንሱ ኸኣ ናብ ድንኳና ኣተወ፡ ንሳ ድማ ብወጮ ኸደነቶ። 19 ንሱ ድማ፡ “ጸሚአ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” በላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ፣+ ድሕሪኡ ድማ መሊሳ ኸደነቶ። 20 ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ደው በሊ፣ ዝዀነ ሰብ መጺኡ፡ ‘ኣብዚዶ ሰብኣይ ኣሎ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኪ፡ ‘የልቦን’ በሊ” በላ። 21 ያዔል ሰበይቲ ሔበር ግና ሽኻል ድንኳንን ሞደሻን ብኢዳ ወሰደት። ንሱ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ደቂሱን ደኺሙን ከሎ፡ ሰላሕ ኢላ ናብኡ ቐሪባ፡ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ሸኸለቶ፡ ወቒዓ ድማ ናብ ምድሪ ኣእተወቶ፣ ንሱ ኸኣ ሞተ።+ 22 ባራቅ ንሲሰራ ስዒቡ ናብኡ ምስ ከደ፡ ያዔል ክትቅበሎ ወጸት እሞ፡ “እቲ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ” በለቶ። ምስኣ ኸኣ ኣተወ፣ ሲሰራ ሞይቱ ተዘርጊሑ ድማ ረኣየ፣ እቲ ሽኻል እውን ኣብ መትልሑ ነበረ። 23 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንያቢን ንጉስ ከነኣን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣምበርከኾ።+ 24 ንያቢን ንጉስ ከነኣን ክሳዕ ዜጥፍእዎ፡+ ኢድ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናኸበደት ከደት።+ 16 ሓደ ግዜ፡ ሲምሶን ናብ ጋዛ ኸደ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንቲ ኣመንዝራ ረኣየ እሞ ናብ ቤታ ኣተወ። 2 ንጋዛውያን ከኣ፡ “ሲምሶን ናብዚ መጺኡ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮም። ንሳቶም ድማ ከበብዎ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ምሉእ ለይቲ ኣድበዩሉ። “ምስ ነግሀ ኽንቀትሎ ኢና” ኢሎም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ስቕ በሉ። 3 ግናኸ፡ ሲምሶን ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ተንሲኡ ንመዓጹ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማን ንኽልቲኡ ልዳውቱን ምስ ተገዳማቱ ሒዙ መንቈሶ። ኣብ መንኵቡ ገይሩ ድማ፡ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን ጾይሩ ኣደየቦ። 4 ድሕርዚ፡ ኣብ ስንጭሮ* ሶሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ኣፍቀረ።+ "5 እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብኣ ቐሪቦም፡ “ሓባብልዮ+ እሞ፡ እቲ ዓብዪ ሓይሉ ኻበይ ምዃኑ፡ ከመይ ጌርና ድማ ከነሰንፎን ክንኣስሮን ክንመልኮን ከም እንኽእል ፍለጢ። ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍና 1,100 ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ። " 6 ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ “እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ኻበይ ምዃኑ፡ ክትምለኽ ከኣ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ” በለቶ። 7 ሲምሶን ድማ፡ “ብሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ጅማት እንተ ኣሲሮምኒ፡ እደክም፣ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን” በላ። 8 ሽዑ፡ እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ጅማት ኣምጽኡላ እሞ፡ ብእኡ ኣሰረቶ። 9 ኣብ ውሽጣዊት ክፍሊ ኸኣ ደባይ ኣቐሚጦም ነበሩ፣ ንሳ ድማ፡ “ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ!” በለቶ። ሽዑ፡ ከምቲ ፈትሊ ልሕጺ እንጣጢዕ ሓዊ ምስ ተንከዮ ዚብተኽ፡ ነቲ ጅማውቲ በተኾ።+ ምስጢር ሓይሉ ኸኣ ኣይተፈልጠን። 10 ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ “እንሆ፡ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ከኣ ነጊርካኒ። ሕጂ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ” በለቶ። 11 ንሱ ድማ፡ “ዕዮ ብዘይተዓይዮ ሓድሽ ገመድ ብጽኑዕ እንተ ተኣሲረ፡ እደክም፣ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን” በላ። 12 ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ፡ ብእኡ ኣሰረቶ እሞ፡ “ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ!” በለቶ። (እቶም ደባይ ከኣ ኣብታ ውሽጣዊት ክፍሊ ነበሩ።) ሽዑ፡ ካብ ቀላጽሙ፡ ከም ፈትሊ በተኾ።+ 13 ድሕርዚ፡ ደሊላ ንሲምሶን፡ “ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ከኣ ነጊርካኒ።+ ብምንታይ ከም እትእሰር ንገረኒ” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ነቲ ሸውዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣሊምክዮ” በላ። 14 ብሽኻል ኣጽንዓቶ እሞ፡ “ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፡ ነቲ ሽኻል ማእለማን ነቲ ቕጥንን መንቈሶ። 15 ንሳ ኸኣ፡ “ልብኻ ምሳይ ዘይኰነ ኽነሱ ደኣ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ፡ ‘አፍቅረኪ እየ’ እትብለኒ፧+ ሰለስተ ሳዕ ኣላጊጽካለይ፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ኻበይ ምዃኑ እውን ኣይነገርካንን” በለቶ።+ 16 መዓልቲ መዓልቲ ኛኽ እናበለት ጸቕጢ ስለ ዝገበረትሉ፡ ክሳዕ ሞት ዓቕሊ ኣጽበበ።*+ 17 ኵሉ ልቡ ኸኣ ገለጸላ፡ “ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ኣትሒዘ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ስለ ዝዀንኩ፡ መላጸ ንርእሰይ ኣይተንከዮን።+ እንተ ተላጽየ፡ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ፡ እደክም፡ ከም ኵሉ ሰብ እውን እኸውን” በላ። 18 ደሊላ ድማ፡ ኵሉ ልቡ ኸም ዝገለጸላ ምስ ረኣየት፡ ብኡብኡ ነቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን፡+ “ኵሉ ልቡ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ” ኢላ ጸውዓቶም። እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ገንዘብ ሒዞም ናብኣ ደየቡ። 19 ንሳ ድማ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፣ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ኸኣ፡ ነቲ ሸውዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየቶ። ድሕርዚ፡ ሓይሉ ኻብኡ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ክትመልኮ ጀመረት። 20 “ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ!” ድማ በለቶ። ንሱ ኸኣ ካብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፡ “ከም ካልእ ግዜያት ፈንጺገ ኽወጽእ እየ” በለ።+ ግናኸ፡ የሆዋ ኸም ዝሓደጎ ኣይፈለጠን ነበረ። 21 እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ፡ ብኽልተ መቝሕ ነሓሲ ኣሰርዎ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ጠሓኒ እኽሊ ዀይኑ ነበረ። 22 እቲ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ፡ ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቍል ጀመረ።+ 23 እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ “ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን+ ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኺስውኡሉን ኪሕጐሱን ተኣከቡ። 24 እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ “ኣምላኽና ነቲ ንምድርና ዘጥፍአን+ ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን+ ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንኣምላኾም ወደስዎ። 25 ልቦም ስለ እተሓጐሰ፡ “መስሓቒ ኪዀነናስ፡ ንሲምሶን ጸውዕዎ” በሉ። መስሓቒ ኪዀኖም ድማ፡ ንሲምሶን ካብ ቤት ማእሰርቲ ጸውዕዎ፣ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ። 26 ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሓዞ ቘልዓ፡ “ነቲ ነዛ ቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ምእንቲ ኽጽግዖ፡ ክድህስሶ ምርሓኒ” በሎ። "27 (እታ ቤት ከኣ ብሰብኡትን ብኣንስትን መሊኣ ነበረት። ኵሎም እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብኣ ነበሩ፣ ሲምሶን መስሓቒ ኪዀኖም ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዚርእዩ ኣስታት 3,000 ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ።) " 28 ሲምሶን+ ድማ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ በጃኻ ዘክረኒ፣ ኦ ኣምላኸይ፡ በጃኻ ነዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ ኣበርትዓኒ እሞ፡+ ሕነ ሓንቲ ኻብተን ክልተ ዓይነይ ንፍልስጥኤማውያን ክፈዲ”+ ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 29 ሽዑ፡ ሲምሶን ነቲ ነታ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማነይቲ ኢዱ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋመይቲ ኢዱ ሒዙ ተደገፎ። 30 ሲምሶን ከኣ፡ “ምስ ፍልስጥኤማውያን እሙት!”* በለ። ሽዑ፡ ብዅሉ ሓይሉ ደፍኦ፣ እታ ቤት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ጐይተትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝብን ወደቐት።+ ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ፡ ብሞቱ ዝቐተሎም በዝሑ።+ 31 ኣሕዋቱን ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦኡን ድማ ወሪዶም ሒዞምዎ ተመልሱ። ኣደዪቦም ከኣ ኣብቲ ኣብ መንጎ ጾርዓን+ ኤሽታኦልን ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ+ ቐበርዎ። ንሱ ንእስራኤል 20 ዓመት ፈረደ።+ 6 እስራኤላውያን ግና መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ።+ የሆዋ ድማ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ሚድያን ሃቦም።+ 2 ኢድ ሚድያን ከኣ ኣብ እስራኤል በርትዐት።+ እስራኤላውያን ድማ ብሰሪ ሚድያን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ንምብጻሑ ኣብ ዜጸግም ቦታታትን መሕብኢ* ገበሩ።+ 3 እስራኤል ዘርኢ ምስ ዚዘርእ፡ ሚድያንን ኣማሌቅን+ ደቂ ምብራቕን+ የጥቅዕዎም ነበሩ። 4 ንምጽራሮም ሰፊሮም፡ ክሳብ መገዲ ጋዛ ዘሎ ፍረ እታ ምድሪ የጥፍኡ ነበሩ፣ ንእስራኤል ከኣ፡ ዚብላዕ ኰነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ ኣይሓድጉሉን ነበሩ።+ 5 ከመይሲ፡ ምስ ማሎምን ምስ ድንኳናቶምን ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ኰይኖም ይድይቡ ነበሩ፣+ ኣግማሎም እውን ኪቝጸራ ዚኽእላ ኣይነበራን፣+ ናብታ ምድሪ መጺኦም ከኣ የጥፍእዋ ነበሩ። 6 ስለዚ፡ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ብዙሕ ነደየ፣ እስራኤላውያን ድማ ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+ 7 እስራኤላውያን ብሰሪ ሚድያን ናብ የሆዋ ምስ ተማህለሉ፡+ 8 የሆዋ ንእስራኤላውያን ሓደ ነብዪ ሰደደሎም፣ ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ኣውጻእኩኹም።+ 9 ካብ ኢድ ግብጽን ካብ ኢድ ኵሎም ጨቈንትኹምን ኣናገፍኩኹም፣ ንዓታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐ ኸኣ ምድሮም ሃብኩኹም።+ 10 “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+ ንኣማልኽቲ እቶም ኣብ ምድሮም እትቕመጡ ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርህዎም” ድማ በልኩኹም።+ ንስኻትኩም ግና ኣይተኣዘዝኩምንን።’”*+ 11 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ መጺኡ፡+ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ዮኣስ እቲ ኣቢ-ዔዘራዊ+ ዝዀነ ኣብ ዖፍራ ዘሎ ዓብዪ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን+ ድማ ካብ ሚድያን ኪሓብእ ኢሉ፡ ስርናይ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። 12 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ንዕኡ ተራእዮ እሞ፡ “ኣታ ሓያል ጅግና፡ የሆዋ ምሳኻ እዩ”+ በሎ። 13 ጊዴዎን ድማ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር ጐይታይ፡ የሆዋ ምሳና እንተ ዀይኑ ደኣ፡ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ይወርደና ኣሎ፧+ እቲ ኣቦታትና፡ ‘የሆዋ ኻብ ግብጺ ኣደይቡና ደይኰነን፧’+ ኢሎም ዝነገሩና ዅሉ ዜደንቕ ግብርታቱኸ ኣበይ ኣሎ፧+ ሕጅስ የሆዋ ሓዲጉና፡+ ኣብ ኢድ ሚድያን ከኣ ሂቡና ኣሎ” በሎ። 14 የሆዋ ድማ ናብኡ ገጹ ገይሩ፡ “በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖ።+ ኣነ ደይኰንኩን ዝልእከካ ዘለኹ፧” በሎ። 15 ጊዴዎን ግና፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ ከመይ ገይረ ንእስራኤል ከድሕኖ እኽእል፧ እንሆ፡ እንዳይ* ካብ ምናሴ ዝነኣሰ እዩ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 16 የሆዋ ግና፡ “ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኸውን፡+ ንሚድያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ጌርካ ኽትወቕዖ ኢኻ” በሎ። 17 ንሱ ኸኣ፡ “ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝዀንካ ምልክት ሃበኒ። 18 ህያበይ ሒዘ ተመሊሰ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ኻብዚ ኣይትኺድ” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ክሳዕ እትምለስ፡ ኣብዚ ኽጸንሕ እየ” በሎ። 19 ጊዴዎን ከኣ ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ኣዳለወ፡ ካብ ሓደ ኤፋ* ሓርጭ ድማ ቅጫ ሰንከተ።+ ነቲ ስጋ ኣብ መሶብ፡ ነቲ መረቕ እውን ኣብ ቍራዕ ገይሩ፡ ናብኡ ኣውጽኦ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብዪ ኦም ከኣ ኣቕረበሉ። 20 እቲ መልኣኽ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ “ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብቲ ኸውሒ ኣንብሮ፡ ነቲ መረቕ እውን ኣፍስሶ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ። 21 ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ ዘርጊሑ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ተንከዮ እሞ፡ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን በልዖ።+ እቲ መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ። 22 ሽዑ፡ ጊዴዎን፡ ንሱ መልኣኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ፈለጠ።+ ብኡብኡ፡ ጊዴዎን፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንመልኣኽ የሆዋ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ፡ ወይለይ!” በለ።+ 23 የሆዋ ግና፡ “ሰላም ንዓኻ ይኹን። ኣይትፍራህ፡+ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ። 24 ጊዴዎን ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ የሆዋ-ሻሎም*+ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ገና ኸኣ ኣብ ናይ ኣቢ-ዔዘራውያን ዖፍራ ኣሎ። 25 በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ዝራብዕ ኣቦኻ፡ እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፣ ነቲ ናይ ኣቦኻ ዝዀነ መሰውኢ በዓል ድማ ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ዓንዲ ኣምልኾ* እውን ቍረጾ።+ 26 ኣብ ርእሲ እዚ ዕርዲ እዚ ብኣእማን ሰሪዕካ ንየሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ ምስ ሰራሕካ፡ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ወሲድካ፡ ኣብቲ እትቘራርጾ ዕንጨይቲ እቲ ዓንዲ ኣምልኾ* ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቦ።” 27 ጊዴዎን ድማ ካብ ገላዉኡ ዓሰርተ ሰብኡት ወሲዱ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ገበረ። ግናኸ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮ ንቤተ ሰብ ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሆም፡ ብለይቲ ገበሮ። 28 ንጽብሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ዓንዲ ኣምልኾ* ድማ ተቘሪጹ ረኣዩ፣ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከኣ ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ። 29 ንሓድሕዶም ድማ፡ “መን እዩ እዚ ገይሩ፧” ተባሃሃሉ። ምስ መርመሩ፡ “ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ገይርዎ” በሉ። 30 ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ንዮኣስ፡ “ወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ዓንዲ ኣምልኾ* ድማ ቈሪጹ እዩ እሞ፡ ኪመውት ኣውጽኣዮ” በልዎ። 31 ዮኣስ+ ከኣ ንዅሎም እቶም ኪቃወምዎ ዝተንስኡ፡ “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፧ ከተድሕንዎዶኸ ኢኹም፧ ዚማጐተሉ ዘበለ፡ በዛ ንግሆ እዚኣ ይቀተል።+ ንሱ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ መሰውኢኡ ኣፍሪሱሉ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ይማጐት”+ በሎም። 32 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ “ንበዓል መሰውኢኡ ኣፍሪሱሉ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ይማጐት” ኢሉ ንጊዴዎን የሩብበዓል* ኢሉ ጸውዖ። 33 ኵሎም ሚድያንን+ ኣማሌቅን+ ደቂ ምብራቕን ከኣ ሓይልታቶም ኣሕበሩ፣+ ተሳጊሮም* ድማ ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል ሰፈሩ። 34 ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጊዴዎን መጸ፣*+ ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሐ፣+ ኣቢ-ዔዘራውያን+ ድማ ተኣኪቦም ሰዓብዎ። 35 ናብ ኵሉ ምናሴ ኸኣ ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም እውን ተኣኪቦም ሰዓብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም እውን ኪረኽብዎ ደየቡ። 36 ጊዴዎን ከኣ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ከምቲ ዘተስፎኻዮ፡ ንእስራኤል ብኢደይ እተድሕኖ እንተ ዄንካ፡+ 37 እንሆ፡ ቍሩጽ ጸምሪ ኣብ ዓውዲ አንብር ኣለኹ። ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ኣውሊ እንተ ዀይኑ፡ ኵላ እታ ምድሪ ግና ንቕጽቲ እንተ ዀይና፡ ከምቲ ዘተስፎኻዮ ንእስራኤል ብኣይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ” በሎ። 38 ከምኡ ድማ ኰነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ምስ ጸመቖ፡ ካብቲ ጸምሪ ዝወጸ ኣውሊ፡ ሒላብ ምሉእ ማይ ኰነ። 39 ጊዴዎን ግና ንናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብ፡ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ። በጃኻ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን። በጃኻ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ኸኣ ኣውሊ ይኹን” በሎ። 40 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፣ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ኰነ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ኸኣ ኣውሊ ዀነ። 10 ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከኣ ቶላዕ ወዲ ጱኣ፡ ወዲ ዶዶ፡ ካብ ይሳኮር፡ ንእስራኤል ኬድሕን ተንስአ።+ ንሱ ድማ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ። 2 ንእስራኤል ከኣ 23 ዓመት ፈረደ። ድሕሪኡ፡ ሞተ፡ ኣብ ሻሚር ድማ ተቐብረ። 3 ድሕሪኡ፡ ያኢር እቲ ጊልዓዳዊ ተንስአ፣ ንእስራኤል ከኣ 22 ዓመት ፈረደ። 4 ንሱ ድማ ኣብ 30 ኣድጊ ዚውጥሑ 30 ደቂ ነበርዎ፣ እተን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓዎት-ያኢር ተባሂለን ዚጽውዓ፡ 30 ኸተማ ኸኣ ነበራኦም፣+ ንሳተን ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ኣለዋ። 5 ድሕርዚ፡ ያኢር ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ድማ ተቐብረ። 6 እስራኤላውያን ከኣ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፣+ ንበዓላትን+ ንምስልታት ኣሽቶረትን ንኣማልኽቲ ኣራምን* ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን+ ንኣማልኽቲ ዓሞናውያንን+ ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን+ ድማ ኣገልገሉ። ንየሆዋ ኸኣ ሓደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን። 7 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ዓሞናውያንን ድማ ሸጦም።+ 8 ንሳቶም ከኣ በታ ዓመት እቲኣ ጨፍለቕዎምን ኣበርቲዖም ጨቈንዎምን፡—ንዅሎም እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ምድሪ ኣሞራውያን ዝነበረት ጊልዓድ ዚነብሩ እስራኤላውያን 18 ዓመት ጨቈንዎም። 9 እቶም ዓሞናውያን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ኪዋግኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፣ እስራኤል ከኣ ኣመና ጨነቖ። 10 ሽዑ፡ እስራኤላውያን፡ “ንኣምላኽና ሓዲግና ንበዓላት ኣገልጊልና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና”+ ኢሎም ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+ 11 የሆዋ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “ግብጻውያንን+ ኣሞራውያንን+ ዓሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን+ 12 ሲዶናውያንን ኣማሌቅን ሚድያንን ምስ ጨቈኑኹም፡ ኣነ ደይኰንኩን ዘድሓንኩኹም፧ ናባይ ምስ ተማህለልኩም ከኣ፡ ካብ ኢዶም ኣድሒነኩም እየ። 13 ንስኻትኩም ግና ንዓይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልጊልኩም።+ ስለዚ፡ ደጊም ኣይከድሕነኩምን እየ።+ 14 ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ኼድኩም ተማህለሉ።+ ብግዜ ጭንቅኹም ንሳቶም የድሕኑኹም።”+ 15 እስራኤላውያን ግና ንየሆዋ፡ “በዲልና ኢና። ኣብ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዘበለ ግበረና። ሓንትስ፡ በጃኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣድሕነና” በልዎ። 16 ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኻብ ማእከሎም ኣርሒቖም ከኣ ንየሆዋ ኣገልገልዎ፣+ ስለዚ፡ ንሱ ንመከራ እስራኤል ኪጻወሮ ኣይከኣለን።*+ 17 ዓሞናውያን+ ድማ ተኣኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ። እስራኤላውያን እውን ተኣኪቦም ኣብ ሚጽጳ ሰፈሩ። 18 እቶም ህዝብን እቶም መሳፍንቲ ጊልዓድን ከኣ ንሓድሕዶም፡ “ምስ ዓሞናውያን ንምውጋእ መን ኪመርሓና እዩ፧+ ንሱ ሓለቓ ዅሎም ነበርቲ ጊልዓድ ይኹን” ተባሃሃሉ። 14 ሲምሶን ድማ ናብ ቲምና ወረደ፣ ኣብ ቲምና ኸኣ ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ* ረኣየ። 2 ደዪቡ ድማ ንኣቦኡን ንኣዲኡን፡ “ኣብ ቲምና ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ ርእየ ኣለኹ እሞ፡ ሰበይተይ ክትከውን ኣምጽኡለይ” በሎም። 3 ኣቦኡን ኣዲኡን ግና፡ “ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተእቱስ፡ ኣብ መንጎ ኣዝማድካን ኣብ መንጎ ህዝብኻንዶ ሰበይቲ ኽትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ፧” በልዎ።+ ሲምሶን ከኣ ንኣቦኡ፡ “ኣብ ኣዒንተይ ባህ ዝበለትኒ ንሳ እያ እሞ፡ ንዓኣ ደኣ ኣምጽኣለይ” በሎ። 4 ኣቦኡን ኣዲኡን ግና፡ እዚ ኻብ የሆዋ ኸም ዝዀነ፡ በታ ግዜ እቲኣ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይገዝኡ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ንፍልስጥኤማውያን ንምጽራር ኣጋጣሚ ይደሊ ኸም ዝነበረ ኣይፈለጡን ነበሩ።+ 5 ሽዑ፡ ሲምሶን ምስ ኣቦኡን ኣዲኡን ናብ ቲምና ወረደ። ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ቲምና ምስ መጸ፡ እንሆ፡ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ መጾ። 6 መንፈስ የሆዋ ኸኣ ኣኽእሎ ሃቦ፣+ ሰብ ንማሕስእ ከም ዚጨድዶ ገይሩ ድማ ብኣእዳዉ ጥራይ ጨደዶ። እቲ ዝገበሮ ግና፡ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ኣይነገረን። 7 ወሪዱ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፣ ሽዑ እውን ኣብ ኣዒንቲ ሲምሶን ባህ እተብል ነበረት።+ 8 ጸኒሑ፡ ኪወስዳ ኢሉ ኺምለስ ከሎ፡+ ነቲ ምዉት ኣንበሳ ኺርኢ ኣላገሰ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ምዉት ኣንበሳ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ። 9 ነቲ መዓር ሓግሒጉ ናብ ኢዱ ወሲዱ ድማ እናበልዐ ኸደ። ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን መጺኡ ኸኣ ሃቦም፡ ንሳቶም ድማ በልዑ። ግናኸ፡ ነቲ መዓር ካብ ምዉት ኣንበሳ ኸም ዝሓግሓጎ ኣይነገሮምን። 10 ኣቦኡ ድማ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፣ እቶም መንእሰያት ከምኡ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ ሲምሶን እውን ኣብኡ ድግስ ደገሰ። 11 ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ምስኡ ዚዀኑ 30 ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ። 12 ሲምሶን ከኣ ንዓታቶም፡ “ሕንቅሕንቅሊተይ ግዳ ኽብለኩም። በዘን ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ እንተ ፈቲሕኩምለይን መልሱ እንተ ነጊርኩምንን፡ 30 ቐምሽ በፍታን 30 ኽዳንን ክህበኩም እየ። 13 መልሱ ኽትነግሩኒ እንተ ዘይክኢልኩም ግና፡ ንስኻትኩም ንዓይ 30 ቐምሽ በፍታን 30 ኽዳንን ክትህቡኒ ኢኹም” በሎም። 14 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ” በሎም።+ ንሳቶም ከኣ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኺፈትሑሉ ኣይከኣሉን። 15 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ንሰበይቲ ሲምሶን፡ “መልሲ እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ኪነግረና፡ ንሰብኣይኪ ሓባብልዮ።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ንዓኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና። ከተንድዩና ዲኹም ዝዓደምኩምና፧” በልዋ። 16 ሽዑ፡ ሰበይቲ ሲምሶን ኣብ ልዕሊኡ ዀይና እናበኸየት፡ “ትጸልኣኒ ኢኻ እምበር፡ ኣይተፍቅረንን ኢኻ።+ ንህዝበይ ሕንቅሕንቅሊተይ ኢልካዮምሲ፡ መልሱ ንዓይ ኣይነገርካንን” በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ንኣቦይን ንኣደይን እኳ ዘይነገርክዎምሲ፡ ንዓኺዶ ኽነግረኪ እየ፧” በላ። 17 ንሳ ግና ኣብተን ዝተረፋ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዀይና ትበኪ ነበረት። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ጸቕጢ ስለ ዝገበረትሉ፡ ነገራ። ንሳ ኸኣ መልሲ እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ንህዝባ ነገረቶም።+ 18 ስለዚ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ* ሰብ እታ ኸተማ፡ “ካብ መዓር ዚጥዕምሲ እንታይ እዩ፧ ካብ ኣንበሳ ዚሕይልከ መን እዩ፧” በልዎ።+ ንሱ ድማ፡“ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፡+ሕንቅሕንቅሊተየይ ኣይምፈታሕኩምዎን ኔርኩም” ኢሉ መለሰሎም። 19 ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣኽእሎ ሃቦ እሞ፡+ ናብ ኣሽቀሎን ወሪዱ፡+ ካባታቶም 30 ሰብኡት ቀተለ፣ ክዳውንቶም ቀንጢጡ ድማ፡ ነቶም ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ዝመለሱ ኽዳውንቲ ሃቦም።+ ናብ ቤት ኣቦኡ ኺድይብ ከሎ ኸኣ፡ ተቘጢዑ ነበረ። 20 ሰበይቲ ሲምሶን+ ድማ ንሓደ ኻብቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣዕሩኹ ተዋህበት።+ 9 ኣቢሜሌክ+ ወዲ የሩብበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸደ፣ ንዓታቶምን ንዅሎም ዓሌት ኣቦሓጎኡን፡* 2 “በጃኹም ንዅሎም መራሕቲ* ሴኬም፡ ‘ኣየናይ ይሕሸኩም፧ ኵሎም 70 ደቂ የሩብበዓል+ ኪገዝኡኹምዶ፡ ወይስ ሓደ ሰብኣይ ኪገዝኣኩም፧ ኣነ ዓጽምኹምን ስጋኹምን ከም ዝዀንኩ ኸኣ ዘክሩ’ በልዎም” በሎም። 3 እቶም ኣኮታቱ ድማ እዚ ነገር እዚ ንዅሎም መራሕቲ ሴኬም ተዛረቡሉ፣ ንሳቶም ከኣ “ንሱ ሓውና እዩ” ስለ ዝበሉ፡ ልቦም ንኣቢሜሌክ ናብ ምስዓብ ዘምበለ። 4 ካብ ቤት* በዓል-በሪት+ ድማ 70 ብሩር ሃብዎ፣ ኣቢሜሌክ ከኣ ብእኡ ገይሩ ንዕኡ ዜሰንይዎ ስራሕ ዘይብሎምን ስድታትን ሰባት ተወዓዓለ። 5 ናብቲ ኣብ ዖፍራ ዘሎ ቤት ኣቦኡ ኸይዱ፡+ ንኣሕዋቱ ንደቂ የሩብበዓል፡ ን70 ሰብኡት ኣብ ሓደ እምኒ ቐተሎም።+ ዮታም እቲ ሕሳስ ልደ ወዲ የሩብበዓል ግና ተሓቢኡ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ጥራይ ተረፈ። 6 ኵሎም መራሕቲ ሴኬምን ኵላ ቤት-ሚሎን ድማ ተኣኪቦም ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ዓብዪ ኦም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሓወልቲ ኣንገስዎ።+ 7 እዚ ንዮታም ምስ ነገርዎ፡ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ፡+ ኣብኡ ደው በለ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ ጨደረ፦ “ኣቱም መራሕቲ ሴኬም፡ ስምዑኒ እሞ፡ ኣምላኽ ኪሰምዓኩም እዩ። 8 “ሓደ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ዝኸዱ ኣእዋም ነበሩ። ንኦም ኣውልዕ ድማ፡ ‘ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።+ 9 እቲ ኦም ኣውልዕ ግና፡ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜኽብሩሉ ዘይተይዶ* ኽገድፍ እየ፧’ በሎም። 10 ሽዑ፡ እቶም ኣእዋም ንኦም በለስ፡ ‘ንዓ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ። 11 እቲ ኦም በለስ ግና፡ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧’ በሎም። 12 እቶም ኣእዋም ድማ ንተኽሊ ወይኒ፡ ‘ንዓ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ። 13 እቲ ተኽሊ ወይኒ ኸኣ፡ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ጕዕሽ ወይነይዶ ኽገድፎ እየ፧’ ኢሉ መለሰሎም። 14 ሽዑ፡ ኵሎም ኣእዋም ንኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ ‘ንዓ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።+ 15 እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድማ፡ ‘ንዓይ ብሓቂ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ክኸውን ትቐብኡኒ እንተ ኣለኹም፡ ንዑ ኣብ ትሕቲ ጽላለይ ተማዕቈቡ። እንተ ዘይኰነ ግና፡ ካብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሓዊ ይውጻእ እሞ፡ ነቲ ቄድሮሳት ሊባኖስ ይብልዓዮ’ በሎም። 16 “ሕጂ፡ ንኣቢሜሌክ ብሓቅን ብቕንዕናን ዲኹም ኣንጊስኩምዎ፧+ ንየሩብበዓልን ንቤተ ሰቡን ጽቡቕ ዲኹም ጌርኩም፧ ከምቲ ግብሪ ኢዱኸ ዲኹም ጌርኩምዎ፧ 17 ኣቦይ ምእንታኹም ኪዋጋእ ከሎ፡+ ካብ ኢድ ሚድያን ኬድሕነኩም ኢሉ ህይወቱ* ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ።+ 18 ሎሚ ግና፡ ኣንጻር ቤተ ሰብ ኣቦይ ተንሲእኩም ንደቁ፡ ን70 ሰብኡት፡ ኣብ ሓደ እምኒ ቐቲልኩምዎም።+ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ግዝእቱ ኸኣ፡+ ሓውኩም ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሴኬም ኣንጊስኩምዎ። 19 እወ፡ ንየሩብበዓልን ንቤተ ሰቡን ዝገበርኩምዎ ብሓቅን ብቕንዕናን እንተ ዀይኑ፡ ብኣቢሜሌክ ተሓጐሱ፡ ንሱ እውን ብኣኻትኩም ይተሓጐስ። 20 እንተ ዘይኰነ ግና፡ ካብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውጻእ እሞ፡ ንመራሕቲ ሴኬምን ንቤት-ሚሎን ይብልዓዮም፣+ ካብ መራሕቲ ሴኬምን ካብ ቤት-ሚሎን እውን ሓዊ ይውጻእ እሞ፡ ንኣቢሜሌክ ይብልዓዮ።”+ 21 ሽዑ፡ ዮታም+ ሃዲሙ ናብ ብኤር ኣምለጠ፣ ብሰሪ ሓዉ ኣቢሜሌክ ከኣ ኣብኣ ተቐመጠ። 22 ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝአ።* 23 ኣምላኽ ከኣ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን መራሕቲ ሴኬምን ጽልኢ ኸም ዚምዕብል ገበረ፣* ንሳቶም ድማ ንኣቢሜሌክ ጠለምዎ። 24 እዚ ኸኣ እቲ ኣብቶም 70 ደቂ የሩብበዓል እተገብረ ግፍዒ ምእንቲ ኺፍደ፡ ብደሞም ከኣ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን እቶም ንኣሕዋቱ ንምቕታል ዝሓገዝዎ መራሕቲ ሴኬምን ተሓተትቲ ምእንቲ ኪዀኑ እዩ።+ 25 መራሕቲ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ደባይ ገበሩሉ፣ ንሳቶም ከኣ ብኣታቶም በታ መገዲ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ይኸትሩ ነበሩ። እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። 26 ሽዑ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ተሳጊሮም ናብ ሴኬም+ መጹ፣ መራሕቲ ሴኬም ከኣ ብእኡ ተኣመኑ። 27 ናብ ግራውቲ ወፊሮም ድማ ካብ ኣታኽልቲ ወይኖም ፍረ ወይኒ ኣኪቦም፡ ጸሚቖም፡ በዓል ገበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም፡+ በሊዖምን ሰትዮምን ንኣቢሜሌክ ረገምዎ። 28 ጋዓል ወዲ ዔበድ ከኣ፡ “ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ሴኬምከ መን እዩ፧ ወዲ የሩብበዓል ደይኰነን፧+ ዜቡልከ ብዓል መዙ ደይኰነን፧ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደኣ ተገዝኡ! ንዕኡ ግና ስለምንታይ ኢና እንግዝኦ፧ 29 እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ እንተ ዚኸውን፡ ንኣቢሜሌክ ምገልበጥክዎ ነይረ” በለ። ንኣቢሜሌክ ድማ፡ “ሰራዊትካ ኣብዝሕ እሞ፡ ውጻእ” በሎ። 30 ዜቡል መስፍን እታ ኸተማ፡ ዘረባ ጋዓል ወዲ ዔበድ ምስ ሰምዐ፡ ቍጥዓኡ ነደደ። 31 ናብ ኣቢሜሌክ ከኣ ብምስጢር* ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦ “እንሆ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ሕጂ ኣብ ሴኬም ኣለዉ፣ ነዛ ኸተማ ኸኣ ኣንጻርካ የለዓዕልዋ ኣለዉ። 32 ሕጂ ድማ፡ ንስኻን ሰብካን ብለይቲ መጺእካ፡ ኣብ መሮር ኣድቢ። 33 ንግሆ ጸሓይ ምስ በረቐት ኣንጊህካ ተንሲእካ፡ ነዛ ኸተማ ኣጥቅዓያ፣ ንሱን ሰቡን ኪጻረሩኻ ምስ ወጹ፡ ንምስዓሩ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር።”* 34 ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ብለይቲ ተንሲኦም፡ ኣርባዕተ ጭፍራ ዀይኖም ኣብ ጥቓ ሴኬም ኣድበዩ። 35 ጋዓል ወዲ ዔበድ ወጺኡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው ምስ በለ፡ ኣቢሜሌክ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ዘድበዩሉ ተንስአ። 36 ጋዓል ነቲ ህዝቢ ምስ ረኣዮ፡ ንዜቡል፡ “እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ኣኽራን ይወርድ ኣሎ” በሎ። ዜቡል ግና፡ “ጽላሎት ኣኽራን እዩ ሰባት መሲሉ ዚርኣየካ ዘሎ” በሎ። 37 ጋዓል ድማ፡ “እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ማእከል እታ ምድሪ ይወርድ ኣሎ፣ ሓደ ጭፍራ ኸኣ ብመገዲ እቲ ዓብዪ ኦም ሜዖነኒም ይመጽእ ኣሎ” በሎ። 38 ዜቡል ከኣ፡ “እቲ፡ ‘ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧’ ኢልካ እተመካሕካዮ ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧+ እዝስ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝቢ ደይኰነን፧ ሕጂ ወጺእካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ። 39 ጋዓል ድማ ንመራሕቲ ሴኬም መሪሕዎም ወጸ እሞ፡ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግአ። 40 ኣቢሜሌክ ከኣ ሰጐጎ፡ ጋዓል እውን ካብኡ ሃደመ፣ ክሳብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ድማ ብዙሓት ተቐቲሎም ወደቑ። 41 ኣቢሜሌክ ከኣ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፣ ዜቡል+ ድማ ንጋዓልን ንኣሕዋቱን ካብ ሴኬም ሰጐጎም። 42 ንጽብሒቱ፡ እቲ ህዝቢ ናብ ግራውቲ ወጸ፣ እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ተነግሮ። 43 ነቲ ህዝቢ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ እሞ ኣብ መሮር ኣድበየ። እቲ ህዝቢ ኻብታ ኸተማ ኺወጽእ ምስ ረኣየ፡ ኣጥቅዖ፡ ወቕዖ እውን። 44 ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጭፍራታቱን ጠኒኖም ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው በሉ፣ እቶም ክልተ ጭፍራ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ግራውቲ ዝነበሩ ኣጥቅዕዎም፡ ወቕዕዎም እውን። 45 ኣቢሜሌክ ድማ ብምልእቲ እታ መዓልቲ እቲኣ ምስታ ኸተማ ተዋጊኡ ሓዛ። ነቲ ኣብኣ ዝነበረ ህዝቢ ቐቲሉ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ፡+ ጨው ዘርኣላ። 46 ኵሎም እቶም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ መራሕቲ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ናብ ዕርዲ* ቤት* ኤል-በሪት ኣተዉ።+ 47 ኵሎም መራሕቲ ግምቢ ሴኬም ከም እተኣከቡ ንኣቢሜሌክ ምስ ተነግሮ፡ 48 ኣቢሜሌክ ምስ ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ናብ ከረን ጻልሞን ደየበ። ኣቢሜሌክ ድማ ፋስ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረጸ፣ ኣልዒሉ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ገይሩ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ፡ “ከምዚ ኣነ ኽገብሮ ዝረኣኹምኒ፡ ቀልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ!” በሎም። "49 ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ጨጨንፈሩ ቘሪጹ፡ ንኣቢሜሌክ ሰዓቦ። ነቲ ጨናፍር ኣብቲ ዕርዲ ኣንቢሮም ድማ፡ ነቲ ዕርዲ ብሓዊ ኣንደድዎ። ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ሰብ ግምቢ ሴኬም፡ ኣስታት 1,000 ሰብኡትን ኣንስትን፡ ሞቱ። " 50 ኣቢሜሌክ ከኣ ናብ ቴቤጽ ከደ፣ ንቴቤጽ ኪጻረራ ኢሉ ድማ ሰፈረ፡ ሓዛ እውን። 51 ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ኸኣ ጽኑዕ ግምቢ ነበረ፣ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ኵሎም መራሕቲ እታ ኸተማን ድማ ናብኡ ሃደሙ። ብውሽጢ ዓጽዮም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ እቲ ግምቢ ደየቡ። 52 ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግምቢ መጺኡ ኣጥቅዖ። ብሓዊ ኼንድዶ ኸኣ፡ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ግምቢ ቐረበ። 53 ሽዑ፡ ሓንቲ ሰበይቲ መዲድ ሰንድያ፡ ሽክና ርእሱ ጨፍለቐቶ።+ 54 ንሱ ኸኣ ነቲ ኣጽዋሩ ዚጸውር ጊልያ ቐልጢፉ ጸዊዑ፡ “‘ሰበይቲ ቐቲላቶ’ ኸይብሉንስ፡ ሰይፍኻ መሊሕካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጊልያኡ እውን ወግኦ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ። 55 እቶም ሰብ እስራኤል፡ ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ኵላቶም ነናብ ቦታኦም ተመልሱ። 56 በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ንኣቢሜሌክ፡ ከምቲ ነቶም 70 ኣሕዋቱ ብምቕታል ንኣቦኡ ዝገበሮ እከይ፡ ከምኡ ፈደዮ።+ 57 ኵሉ እከይ ሰብ ሴኬም ድማ፡ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ዮታም+ ወዲ የሩብበዓል+ ከኣ፡ ኣብ ርእሶም በጽሐ። 13 እስራኤላውያን ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፣+ የሆዋ ኸኣ ን40 ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን+ ኣሕሊፉ ሃቦም። 2 ሽዑ፡ ማኖኣ+ ዝስሙ ብዓል ጾርዓ፡+ ካብ ዓሌት ዳናውያን+ ዝዀነ ሰብኣይ ነበረ። ሰበይቱ ድማ መኻን ነበረት፡ ውሉድ ከኣ ኣይነበራን።+ 3 መልኣኽ የሆዋ ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ፡ ከምዚ ኸኣ በላ፦ “እንሆ፡ መኻን ኢኺ፡ ውሉድ ድማ የብልክን። ግናኸ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ።+ 4 ሕጂ ኸኣ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኸይትሰትዪ፡+ ርኹስ ዘበለ ድማ ከይትበልዒ ተጠንቀቒ።+ 5 እንሆ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ኣትሒዙ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ስለ ዚኸውን፡ ንርእሱ መላጸ ኣይተንክፎ።+ ንሱ ኸኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ።”+ 6 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ከይዳ ንሰብኣያ ኸምዚ ኢላ ነገረቶ፦ “ትርኢቱ ኸም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚመስል፡ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ካበይ ከም ዝመጸ ኣይሓተትክዎን፡ ንሱ እውን ስሙ ኣይነገረንን።+ 7 ግናኸ፡ ‘እንሆ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ኣትሒዙ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ስለ ዚኸውን፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዪ፡ ርኹስ ዘበለ ድማ ኣይትብልዒ’ ኢሉኒ።” 8 ማኖኣ ኸኣ ንየሆዋ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ እቲ ዝለኣኽካዮ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና” ኢሉ ለመነ። 9 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ንማኖኣ ሰምዖ፣ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብኣ መሊሱ መጸ፣ ሰብኣያ ማኖኣ ግና ምስኣ ኣይነበረን። 10 እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጐይያ፡ “እንሆ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ ተራእዩኒ” ኢላ ነገረቶ።+ 11 ማኖኣ ኸኣ ተንሲኡ ምስ ሰበይቱ ኸደ። ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ “ንሰበይተይ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ እየ” በሎ። 12 ማኖኣ ድማ፡ “ቃልካ ይፈጸም! ኣነባብራ እቲ ቘልዓን ዕዮኡን እንታይ ኪኸውን እዩ፧” በሎ።+ 13 እቲ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ንማኖኣ፡ “ሰበይትኻ ኻብቲ ዝበልክዋ ዅሉ ትተሓሎ።+ 14 ካብ ፍረ ወይኒ ዚዳሎ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ድማ ኣይትስተ፡+ ርኹስ ዘበለ እውን ኣይትብላዕ።+ ዝኣዘዝክዋ ዘበለ ዅሉ ትሓሉ” በሎ። 15 ማኖኣ ኸኣ ነቲ መልኣኽ የሆዋ፡ “ማሕስእ ከነዳልወልካስ፡ በጃኻ ጽናሕ” በሎ።+ 16 እቲ መልኣኽ የሆዋ ግና ንማኖኣ፡ “እንተ ጸኒሐ እውን፡ እንጌራኻ ኣይበልዕን እየ፣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ኸተቕርበሉ እንተ ደሊኻ ግና፡ ከተቕርበሉ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ማኖኣ፡ ንሱ መልኣኽ የሆዋ ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። 17 ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ የሆዋ፡ “ቃልካ ምስ ተፈጸመ ምእንቲ ኸነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፧” በሎ።+ 18 እቲ መልኣኽ የሆዋ ግና፡ “ስመይ ግሩም ምዃኑ ኻብ ረኣኻስ፡ ስለምንታይ ብዛዕባኡ እትሓትት፧” በሎ። 19 ማኖኣ ኸኣ ማሕስእን መስዋእቲ እኽልን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንየሆዋ ኣቕረበሉ። ማኖኣን ሰበይቱን እናረኣዩ ኸኣ፡ ንሱ ሓደ ዜገርም ነገር ገበረ። 20 እቲ ሃልሃልታ ኻብቲ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ፡ ማኖኣን ሰበይቱን እናረኣዩ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ በቲ ሃልሃልታ እቲ መሰውኢ ዓረገ። ሽዑ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ። 21 እቲ መልኣኽ የሆዋ ድማ ንማኖኣን ንሰበይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ፡ ማኖኣ፡ ንሱ መልኣኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ፈለጠ።+ 22 ማኖኣ ኸኣ ንሰበይቱ፡ “ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና” በላ።+ 23 እታ ሰበይቱ ግና፡ “የሆዋ ኪቐትለና እንተ ዚደልስ፡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ እኽልን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ዅሉ እውን ኣይመርኣየናን፡ ዋላ ሓደ ኻብዚ ነገር እዚ እውን ኣይምነገረናን” በለቶ። 24 እታ ሰበይቲ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ሲምሶን+ ኢላ ድማ ሰመየቶ፣ እቲ ቘልዓ ኺዓቢ ኸሎ፡ የሆዋ ይባርኾ ነበረ። 25 ኣብ መሓነ-ዳን፡+ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን+ ድማ፡ መንፈስ የሆዋ ኺድርኾ ጀመረ።+ 5 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዴቦራ+ ምስ ባራቅ+ ወዲ ኣቢኖዓም ኰይና እዚ መዝሙር እዚ ዘመረት፦+ 2 “ኣብ እስራኤል፡ ጸጕሪ ዘው ስለ ዝበለ፡*ህዝቢ ብፍታዎም ስለ ዝመጹ፡+ንየሆዋ ወድስዎ! 3 ኣቱም ነገስታት፡ ስምዑ! ኣቱም ገዛእቲ፡ ጽን በሉ! ንየሆዋ ኽዝምረሉ እየ። ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል+ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።+ 4 ኦ የሆዋ፡ ካብ ሰዒር ምስ ወጻእካ፡+ካብ ሃገር ኤዶም ድማ ምስ ከድካ፡ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ሰማያት እውን ኣዝነሙ፡ደበናታት ከኣ ማይ ኣዝነሙ። 5 ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ገጽ የሆዋ መኸኹ፡*+ሲና እኳ ኣብ ቅድሚ ገጽ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል+ መኸኸ።+ 6 ብዘመን ሻምጋር+ ወዲ ዓናት፡ብዘመን ያዔል፡+ መገድታት ባደመ፣ተጓዓዝቲ ብእሉይ መገድታት ከዱ። 7 ደቂ ገጠር ኣብ እስራኤል ተሳእኑ፣ኣነ ዴቦራ+ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ኽሳዕ ዝትንስእ ተሳእኑ።+ " 8 ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሓረዩ፣+ሽዑ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ውግእ ነበረ።+ ኣብቶም 40,000 እስራኤል፡ዋልታ ዀነ ሕላስ ኣይተራእየን። " 9 ልበይ ምስቶም ኣዘዝቲ እስራኤል፡+ምስቶም ምስቲ ህዝቢ ብፍታዎም ዝኸዱ እዩ።+ ንየሆዋ ወድስዎ! 10 ኣቱም ዓጓታት ኣእዱግ እትውጥሑ፡ኣቱም ኣብ ብሉጽ ምንጻፋት እትቕመጡ፡ኣቱም ብመገዲ እትኸዱ፡ሕሰቡ! 11 ደሃይ ዓደልቲ ማይ ኣብ መስተዪ ማይ ተሰምዐ፣ኣብኡ ግብርታት ጽድቂ የሆዋ፡ግብርታት ጽድቂ እቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ናቱ ደቂ ገጠር ተነግረ። ሽዑ፡ ህዝቢ የሆዋ ናብ ኣፍ ደገታት ወረደ። 12 ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ኦ ዴቦራ!+ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ መዝሙር ዘምሪ!+ ባራቅ፡ ተንስእ!+ ኣታ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ምሩኻትካ መሪሕካ ውሰድ! 13 ሽዑ፡ እቶም ዝተረፉ ናብቶም ልዑላን ወረዱ፣ህዝቢ የሆዋ ምስቶም ጀጋኑ ንምጽራር ናባይ ወረደ። 14 እቶም ኣብ ስንጭሮ* ዝነበሩ፡ መበቈሎም ካብ ኤፍሬም ነበረ፣ኦ ብንያም፡ ኣብ መንጎ ህዝብታትካ ይስዕቡኻ ኣለዉ። ካብ ማኪር+ ኣዘዝቲ ወረዱ፡ካብ ዛብሎን ከኣ እቶም በትሪ ኸታቢ* ዝሓዙ። 15 መሳፍንቲ ይሳኮር ምስ ዴቦራ ነበሩ፡ባራቅ+ ድማ፡ ከም ይሳኮር ገበረ። ናብ ጐልጐል ስንጭሮ* ብእግሩ ተሰድደ።+ ኣብ መንጎ ኽፋላት ሮቤል ብርቱዕ መርመራታት ልቢ ነበረ። 16 ደሃይ ሻምብቆ መጓሰ ኽትሰምዕሲ፡+ኣብ መንጎ ኽልተ እተወደነ ጽዕነት ስለምንታይ እትቕመጥ፧ ንኽፋላት ሮቤል ብርቱዕ መርመራታት ልቢ ነበረ። 17 ጊልዓድ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ተረፈ፣+ዳንከ ስለምንታይ ምስ መራኽብ ጸንሐ፧+ ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ስቕ ኢሉ ተቐመጠ፡ኣብ ወደባቱ* ኸኣ ተረፈ።+ 18 ዛብሎን ህይወቱ ኽሳዕ ሞት ኣሕሊፉ ዝሃበ* ህዝቢ እዩ፣ንፍታሌም እውን+ ኣብ ቃልዕ በረኽቲ ኸምኡ ገበረ።+ 19 ነገስታት መጺኦም ተዋግኡ፣ኣብ ታዓናክ ኣብ ጥቓ ማያት መጊዶ፡+ነገስታት ከነኣን ተዋግኡ።+ ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን።+ 20 ካብ ሰማይ ከዋኽብቲ ተዋግኡ፣ካብ ቅናት ዙረቶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ። 21 ርባ ቂሶን፡እወ፡ እቲ ናይ ጥንቲ ርባ፡ ርባ ቂሶን ወሰዶም።+ ኦ ነፍሰይ፡* ንሓያል ረገጽኪ። 22 ሽዑ፡ ሓያላት ኣፍራሱ እናሓነኑ ኺጋልቡ ኸለዉ፡+ሸዀናታት ኣፍራስ ዲጕዲጕ በለ። 23 መልኣኽ የሆዋ፡ ‘ንሜሮዝ ርገምዋ’ በለ፡‘እወ፡ ንሓገዝ የሆዋ ኣይመጹን፡ምስቶም ጀጋኑ ንሓገዝ የሆዋ ኣይመጹን እሞ፡ንነበርታ ርገምዎም።’ 24 ያዔል+ ሰበይቲ ሔበር+ እቲ ቄናዊ፡ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ እያ፣ኣብ ድንኳን ካብ ዚነብራ ኣንስቲ ብርኽቲ እያ። 25 ማይ ለመነ፣ ጸባ ሃበቶ። ብኽቡር ሒላብ ርግኦ* ኣቕረበትሉ።+ 26 ኢዳ ናብ ሽኻል፡የማነይታ ኸኣ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሐት። ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ርእሱ ሓምሸሸቶ፡መትልሑ ዘቢጣ ኣንኰለቶ።+ 27 ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቝልዕጽ ኢሉ ወዲቑ በጥ በለ፣ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቝልዕጽ ኢሉ ወደቐ፣ኣብቲ እተቘልዓጸሉ፡ ኣብኡ ተሰኒፉ ወደቐ። 28 ኣደ ሲሰራ ብመስኰት ጠመተት፡ካብ ዓይኒ ርግቢ ጭትም በለት፡‘ሰረገላኡ ስለምንታይ ንምምጻእ ደንጕዩ፧ ደሃይ ሸዀና ሰረገላታቱኸ ስለምንታይ ደንጕዩ፧’+ 29 እተን ጥበበኛታት ልዑላታ ይምልሳላ፣እወ፡ ንሳ ባዕላ እውን ንርእሳ ትምልስ፡ 30 ‘ዝረኸብዎ ምርኮ ይማቐሉ ኣለዉ ኪዀኑ ኣለዎም፡ንነፍሲ ወከፍ ተዋጋኢ፡ ሓሓንቲ ጓል፡* ከክልተ ኣዋልድ፡*ንሲሰራ ምርኮ ሕብራዊ ኽዳን፡ ምርኮ ሕብራዊ ኽዳን፡ንኽሳውዲ እቶም ዘመትቲ ኸኣጥሉፍ ክዳን፡ ሕብራዊ ኽዳን፡ ክልተ ጥሉፍ ክዳን።’ 31 ኦ የሆዋ፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡+እቶም ዜፍቅሩኻ ግና፡ ከምታ ብኽብራ እትበርቕ ጸሓይ ይኹኑ።” እታ ምድሪ ድማ 40 ዓመት ዓረፈት።*+ 21 እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ ሚጽጳ፡+ “ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ፡ ሰበይቲ ኽትከውን ኣይሃብ” ኢሎም ምሒሎም ነበሩ።+ 2 እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤት-ኤል መጹ፣+ ኣብኣ ኸኣ ዓው ኢሎም ኣምሪሮም እናበኸዩ፡ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተቐመጡ። 3 “ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ኣብ እስራኤል ዝዀነ፧ ስለምንታይ እዩ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ዚጐድል፧” ድማ ይብሉ ነበሩ። 4 እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን+ ንምቕራብ፡ ኣብኡ መሰውኢ ሰርሑ። 5 ህዝቢ እስራኤል ከኣ፡ ናብ የሆዋ ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ብርግጽ ከም ዚቕተል ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ “ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺእከብ ዘይደየበ መን እዩ፧” በሉ። 6 ህዝቢ እስራኤል ድማ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሓዎም ብንያም ዝዀነ ነገር ጕህዮም ነበሩ። ከምዚ ድማ በሉ፦ “ሎሚ፡ ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቘሪጹ። 7 ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም+ ብየሆዋ ምሒልና ኢና እሞ፡+ እቶም ዝተረፉ ኣንስቲ ኺረኽቡስ እንታይ ንግበረሎም፧” 8 ሽዑ፡ “ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ የሆዋ ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተቱ።+ ካብ ያቤሽ-ጊልዓድ ሓደ እኳ ናብቲ እቲ ጉባኤ ዝነበሮ ሰፈር ኣይመጸን። 9 እቲ ህዝቢ ምስ ተቘጽረ፡ ካብ ነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ ሓደ እኳ ኣብኡ ኸም ዘይነበረ ረኣዩ። "10 ሽዑ፡ እቲ ኣኼባ 12,000 ዝሓየሉ ሰብኡት ሰደደ። ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም፦ “ኬድኩም ንነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ፡ እንተላይ ንኣንስቶምን ንቘልዑኦምን ብሰይፊ ውቕዕዎም።+" 11 እዚ ኸኣ ግበሩ፦ ኵሉ ተባዕታይን ኵለን ምስ ተባዕታይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዚፈልጣ ኣንስትን ኣጥፍኡ።” 12 ካብቶም ነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ፡ 400 ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንዓታተን ድማ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን።+ 13 ኵሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለዉ ብንያማውያን+ ልኢኾም ጻውዒት ሰላም ኣቕረቡሎም። 14 በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽ-ጊልዓድ ብህይወት ዝሓደግወን ኣንስቲ ኸኣ ሃብዎም፣+ ግናኸ፡ ኣይኣኸላኦምን። 15 እቶም ህዝቢ ድማ፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ክፍፍል ስለ ዝገበረ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ብንያም ዝዀነ ነገር ጐሃዩ።+ 16 ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ፡ “ኵለን ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጠፊአን እየን እሞ፡ እቶም ዝተረፉ ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር፧” በሉ። 17 ሽዑ፡ ከምዚ በሉ፦ “ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ምእንቲ ኸይድምሰስ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለዉ፡ ርስቲ ኺህልዎም ይግባእ። 18 ህዝቢ እስራኤል፡ ‘እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዚህብ ርጉም ይኹን’ ኢሎም ስለ ዝመሓሉ ግና፡ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይፍቀደልናን እዩ።”+ 19 “እንሆ፡ ኣብታ ብሰሜን ቤት-ኤልን ብምብራቕ እቲ ኻብ ቤት-ኤል ናብ ሴኬም ዜደይብ ጐደናን ብደቡብ ለቦናን ዘላ ሺሎ ዓመት ንዓመት ዚግበር በዓል የሆዋ ኣሎ”+ ድማ በሉ። 20 ንሰብ ብንያም ከኣ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “ኬድኩም፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣድብዩ። 21 ኣዋልድ ሺሎ ብኽቢ ኺስዕስዓ ምስ ወጻ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ሰበይቲ ዘርፉ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ድማ ተመለሱ። 22 ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኺጠርዑ እንተ መጺኦም፡ ‘ብውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኽንረኽበሉ ስለ ዘይከኣልና፡+ ንስኻትኩም እውን በደልቲ ኸይኰንኩም ሰበይቲ ኽትህብዎም ስለ ዘይትኽእሉ፡+ ምእንታኦም ኢልኩም ሞገስ ኣርእዩና’ ኽንብሎም ኢና።” 23 እቶም ሰብ ብንያም ከኣ ከምኡ ገበሩ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብተን ዚስዕስዓ ዝነበራ፡ ሰበይቲ ዘረፈ። ድሕርዚ፡ ናብ ርስቶም ተመልሱ፣ ከተማታት ዳግም ሰሪሖም+ ከኣ ኣባታተን ተቐመጡ። 24 እስራኤላውያን ድማ በታ ግዜ እቲኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ነናብ ነገዱን ነናብ ዓሌቱን ተበተነ፣ ነፍሲ ወከፍ እውን ካብኡ ነናብ ርስቱ ኸደ። 25 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን።+ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዝዀነ* ይገብር ነበረ። 15 ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ብግዜ ዓጺድ ስርናይ፡ ሲምሶን ማሕስእ ሒዙ፡ ንሰበይቱ ኺበጽሓ ኸደ እሞ፡ “ናብ ሰበይተይ፡ ናብ መደቀሲ* ኽኣቱ እደሊ ኣለኹ” በለ። ኣቦኣ ግና ኪኣቱ ኣይፈቐደሉን። 2 ኣቦኣ ኸኣ፡ “‘ብርግጽ ጸሊእዋ ኪኸውን ኣለዎ’ ኢለ ሓሲበስ፡+ ንዓርክኻ ሂበያ።+ ካብኣዶ ግዳ ንእሽቶ ሓብታ ኣይትጽብቕን፧ በጃኻ፡ ኣብ ክንዳኣ ንዓኣ ውሰዳ” በሎ። 3 ሲምሶን ግና፡ “ሕጂ ንፍልስጥኤማውያን እንተ ጐዳእክዎም፡ በደል የብለይን” በለ። 4 ሲምሶን ድማ ከይዱ 300 ወኻርያ ሓዘ። ፋናታት ወሲዱ ኸኣ፡ ነተን ወኻሩ ጭራ ምስ ጭራ ኣቈራንዩ፡ ኣብ መመንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ። 5 ነቲ ፋናታት ብሓዊ ወሊዑ ድማ፡ ነተን ወኻሩ ናብ ዘየተዓጽደ እኽሊ ፍልስጥኤማውያን ፈነወን። ካብ እንዳእቲ ኽሳዕ ዘይተዓጽደ እኽሊ፡ ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን እውን ኣንደደ። 6 ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ “መን እዩ እዚ ገይሩ፧” ኢሎም ሓተቱ። “ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሃቦ፡ ሲምሶን እቲ ሰብኣይ ጓል እቲ ቲምናዊ እዩ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮም።+ ሽዑ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም፡ ንዓኣን ንኣቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም።+ 7 ሲምሶን ከኣ፡ “ከምዚ ኻብ ገበርኩምሲ፡ ሕነ ኽሳዕ ዝፈድየኩም ኣይክሓድግን እየ” በሎም።+ 8 ሽዑ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ* ወቒዑ ብዙሓት ቀተለ፣ ድሕርዚ፡ ወሪዱ ኣብ በዓቲ* ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ። 9 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ+ እውን ኰለል በሉ። 10 ሰብ ይሁዳ ድማ፡ “ስለምንታይ ክትጻረሩና ደዪብኩም፧” በልዎም፣ ንሳቶም ከኣ፡ “ንሲምሶን ክንሕዞ፡* ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም። "11 ሽዑ፡ 3,000 ሰብኡት ናብ በዓቲ* ኸውሒ ዔጣም ወረዱ እሞ፡ ንሲምሶን፡ “ፍልስጥኤማውያን ከም ዚገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧+ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ እዚ ዝገበርካና፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከምቲ ዝገበሩኒ፡ ከምኡ እየ ዝገበርክዎም” በሎም።" 12 ንሳቶም ግና፡ “ሒዝና* ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፍና ኽንህበካ ኢና መጺእና” በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ “ንስኻትኩም ደኣ ኸይተጥቅዑኒ ምሓሉለይ” በሎም። 13 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይፋልናን፡ ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ኣሕሊፍና ኽንህበካ ኢና እምበር፡ ኣይንቐትለካን ኢና” በልዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ፡ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። 14 ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ብዓወት እናጨደሩ ተቐበልዎ። ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣኽእሎ ሃቦ፣+ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ብሓዊ ኸም ዝሓረረ ፈትሊ ልሕጺ እንጣጢዕ ኰነ፣ መእሰሪኡ ድማ ኣብ ኣእዳዉ መኸኸ።+ "15 ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ኸኣ ረኸበ፣ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ወሰዶ እሞ፡ ብእኡ ገይሩ 1,000 ሰብኡት ቀተለ።+" "16 ሲምሶን ከኣ፡ “ብምንጋጋ ኣድጊ፡ ሓደ ዅምራ፡ ክልተ ዅምራ! ብምንጋጋ ኣድጊ፡ 1,000 ሰብኡት ቀቲለ” በለ።+ " 17 ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ምንጋጋ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ድማ ራማት-ሌሒ* ኢሉ ሰመያ።+ 18 ሽዑ፡ ኣዝዩ ጸምአ፡ ናብ የሆዋ ኸኣ፡ “እዚ ዓብዪ ድሕነት እዚ ብኢድ ጊልያኻ ዝሃብካ ንስኻ ኢኻ። ሕጂ ግና ብጽምኢዶ ኽመውት እየ፧ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትዶኸ ኽወድቕ እየ፧” ኢሉ ተማህለለ። 19 ኣምላኽ ድማ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ* ሰንጠቓ፡ ካብኣ ኸኣ ማይ ወጸ።+ ምስ ሰተየ ድማ፡ መንፈሱ* ተመልሰ፡ ተሓደሰ እውን። ስለዚ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ዔን-ሃቆረ* ኢሉ ሰመያ፣ ንሳ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ሌሒ ኣላ። 20 ንሱ ኸኣ ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል 20 ዓመት ፈረደ።+ 3 ናእሚ ሓማታ ድማ ከምዚ በለታ፦ “ጓለየ፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልክስ፡ መዕረፊ ኽደልየልኪዶ ኣይግብኣንን እዩ፧+ 2 እቲ ምስተን ኣግራዱ ዝነበርኪ ቦኣዝ ዘመድና ደይኰነን፧+ ንሱ ሎሚ ለይቲ፡ ስገም ኣብ ዓውዲ የዝሩ ኣሎ። 3 ተሓጸብን ቅዱይ ዘይቲ ተለኸይን እሞ፡ ጽቡቕ ተኸዲንኪ* ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዚውድእ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ኣብኡ ምህላውኪ ኣይፍለጥ። 4 ኪድቅስ ከሎ፡ ኣበይ ከም ዚድቅስ ፍለጢ፣ ሽዑ፡ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዕኪ ደቅሲ። ንሱ ኸኣ እትገብርዮ ኽነግረኪ እዩ።” 5 ንሳ ድማ፡ “ኵሉ እትብልኒ ኽገብር እየ” ኢላ መለሰት። 6 ናብ ዓውዲ ወሪዳ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ ሓማታ ኽትገብሮ ዝኣዘዘታ ገበረት። 7 ቦኣዝ ድማ በሊዑን ሰትዩን ልቡ ተሓጐሰ። ኣብ ጸግዒ ቕሚጦ ኸኣ ኪድቅስ ከደ። ድሕርዚ፡ ሰላሕ ኢላ መጺኣ፡ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዓ ደቀሰት። 8 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ እቲ ሰብኣይ ፈጥፈጥ በለ፣ ድንን ኢሉ ድማ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ረኣየ። 9 ንሱ ኸኣ፡ “መን ኢኺ፧” በለ። ንሳ ድማ፡ “ኣነ ሩት ገረድካ እየ። ንስኻ ተበጃዊ ኢኻ እሞ፡ ክዳንካ* ኣብ ልዕሊ ገረድካ ዘርግሕ” ኢላ መለሰት።+ 10 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኣቲ ጓለይ፡ የሆዋ ይባርኽኪ። ደድሕሪ ድኻታት ኰኑ ሃብታማት መንእሰያት ብዘይምስዓብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይሲ ኣብቲ ዳሕራይ ብዝበለጸ ብተኣማንነት ኣፍቂርኪ ኢኺ።+ 11 ሕጂ ድማ ጓለየ፡ ኣይትፍርሂ። ኵሉ እዚ ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ህዝቢ፡* ብልጽቲ ሰበይቲ ምዃንኪ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ዝበልክዮ ኽገብረልኪ እየ።+ 12 ኣነ ተበጃዊ ምዃነይ ሓቂ እዩ፣+ ግናኸ፡ ካባይ ዚቐርብ ተበጃዊ ኣሎ።+ 13 ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ሕደሪ፣ ንግሆ እንተ ተበጂዩኪ፡ ጽቡቕ፡ ይበጀውኪ።+ ኪብጀወኪ እንተ ዘይደልዩ ግና፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ኣነ ባዕለይ ክብጀወኪ እየ። ክሳዕ ዚነግህ ኣብዚ ደቅሲ” በላ። 14 ክሳዕ ዚነግህ ድማ ብሸነኽ እግሩ ደቀሰት፡ ገና ሰብ ንብጻዩ ኼለልየሉ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ከኣ ተንስአት። ንሱ ድማ፡ “ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመጸት ኣይፈለጥ” በለ። 15 “ነቲ እተኸደንክዮ መደረብታ ኣምጺእኪ ዘርግሕዮ” እውን በላ። ንሳ ኸኣ ዘርግሓቶ፣ ንሱ ድማ ሽዱሽተ ስፍሪ* ስገም ሰፊሩ፡ ኣሰከማ፣ ድሕርዚ፡ ናብ ከተማ ኣተወ። 16 ንሳ ድማ ናብ ሓማታ ኸደት፣ ንሳ ኸኣ፡ “ጓለየ፡ ከመይ ኰይኑልኪ፧”* በለታ። ንሳ ድማ ኵሉ እቲ ሰብኣይ ዝገበረላ ነገረታ። 17 “‘ናብ ሓማትኪ ጥራይ ኢድኪ ኣይትኺዲ’ ኢሉ እዚ ሽዱሽተ ስፍሪ ስገም እዚ ሂቡኒ” ድማ በለታ። 18 ንሳ ኸኣ፡ “ጓለየ፡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ነገር ሎሚ ኸይወድኦ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፡ እቲ ነገር ከመይ ከም ዚኸውን ክሳዕ እትፈልጢ ኣብዚ ተቐመጢ” በለታ። 1 በቲ ፈራዶ ዚፈርዱሉ* ዝነበሩ ዘመን፡+ ኣብታ ምድሪ ጥሜት ኰነ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ+ ጓና ዀይኑ ኪቕመጥ ከደ። 2 ስም እቲ ሰብኣይ ኤሊሜሌክ፡* ስም ሰበይቱ ድማ ናእሚ፡* ስማት ክልቲኦም ደቁ ኸኣ ማሕሎንን* ኪልዮንን* ነበረ። ንሳቶም ድማ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ። 3 ድሕሪ ግዜ፡ ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ሞተ፣ ንሳ ኸኣ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። 4 ንሳቶም ድማ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉ፣ ስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልአይቲ ኸኣ ሩት ነበረ።+ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ድማ ኣብኡ ተቐመጡ። 5 ድሕርዚ፡ ክልቲኦም ደቃ፡ ማሕሎንን ኪልዮንን እውን ሞቱ፣ እታ ሰበይቲ ድማ ብዘይ ክልቲኦም ደቃን ብዘይ ሰብኣያን ተረፈት። 6 ሽዑ፡ ንሳ ኣብ ሞኣብ ከላ፡ የሆዋ ንህዝቡ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም እሞ እንጌራ ኸም ዝሃቦም ስለ ዝሰምዐት፡ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ክትምለስ ነቐለት። 7 ካብቲ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ እትነብረሉ ዝነበረት ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ኣብ መገዲ ኪኸዳ ኸለዋ፡ 8 ናእሚ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ፡ “ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ነቶም ዝሞቱን ንዓይን ዝገበርክናኦ፡ የሆዋ ብተኣማንነት የፍቅርክን።+ 9 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍክን ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ* ይሃብክን” በለተን።+ ሽዑ፡ ሰዓመተን፣ ንሳተን ድማ ዓው ኢለን በኸያ። 10 “ኣይፋልናን፡ ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብኺ ኽንከይድ ኢና” ኸኣ ይብላኣ ነበራ። 11 ናእሚ ግና፡ “ደቀየ፡ ተመለሳ ደኣ። ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳ፧ ደጊምዶ ሰብኡትክን ኪዀኑ ዚኽእሉ ኣወዳት ክወልድ እኽእል እየ፧+ 12 ደቀየ፡ ከይምርዖ ኣሪገ እየ እሞ፡ ኪዳ ደኣ ተመለሳ። ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ ክረክብ ተስፋ እንተ ዚህልወንን ኣወዳት ክወልድ እንተ ዝኽእልን እኳ፡ 13 ንሳቶም ክሳዕ ዚዓብዩዶ ኽትጽበያኦም ኢኽን፧ ምእንታኦም ኢልክንዶ ኸይተመርዓኽን ክትጸንሓ ኢኽን፧ ኣይፋልክንን ደቀየ፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻረይ ኰይና ኣላ እሞ፡ ምእንታኽን ኣዝዩ መሪሩኒ እዩ ዘሎ” በለተን።+ 14 መሊሰን ከኣ ዓው ኢለን በኸያ፣ ድሕሪኡ፡ ዖርጳ ንሓማታ ስዒማታ ኸደት። ሩት ግና ምስኣ ለገበት። 15 ናእሚ ድማ፡ “እንሃ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ ናብ ህዝባን ናብ ኣማልኽታን ተመሊሳ። ምስ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ” በለታ። 16 ሩት ግና፡ “ምሳኺ ኸይከይድ ሓዲገኪ ኽምለስ ኣይትለምንኒ፣ ከመይሲ፡ ናብ እትኸድዮ እኸይድ፡ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሓድር። ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ።+ 17 ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ እውን እቕበር። ብዘይካ ሞት ካልእ ንዓይ ካባኺ እንተ ፈልዩንስ፡ የሆዋ ኸምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወስኸሉ” በለታ። 18 ናእሚ ድማ ሩት ምስኣ ኽትከይድ ከም ዝቘረጸት ምስ ረኣየት፡ ከተእምና ምፍታን ሓደገቶ። 19 ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸኣ ክልቲአን ከዳ።+ ኣብ ቤት-ልሄም ምስ በጽሓ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባአን ተበዓደት። እተን ኣንስቲ ድማ፡ “እዚኣስ ናእሚ ድያ፧” ይብላ ነበራ። 20 ንሳ ኸኣ ነተን ኣንስቲ ኸምዚ ትብለን ነበረት፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ንህይወተይ ኣዝያ መራር ገይሩዋ እዩ እሞ፡ ማራ* ኢልክን ደኣ ጸውዓኒ እምበር፡ ናእሚ* ኢልክንሲ ኣይትጸውዓኒ።+ 21 ክኸይድ ከለኹ ምሉእ ነይሩኒ፡ የሆዋ ግና ጥራይ ኢደይ መለሰኒ። የሆዋ ኻብ ተጻረረኒ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ መዓት ካብ ኣምጽኣለይሲ፡ ስለምንታይ ናእሚ ኢልክን ትጽውዓኒ፧”+ 22 በዚ ኸምዚ፡ ናእሚ ምስታ ሩት እትብሃል ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት።+ ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም መጻ።+ 2 ናእሚ ኸኣ ብወገን ሰብኣያ ኣዝዩ ሃብታም ዘመድ ነበራ፣ ስሙ ቦኣዝ ነበረ፡+ ካብ ዓሌት ኤሊሜሌክ እውን ነበረ። 2 ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንናእሚ፡ “በጃኺ፡ ናብ ግራውቲ ኸይደ፡ ደድሕሪ እቲ ብዓይኒ ሞገስ ዚርእየኒ ዘበለ ኻብ ጉምቦታት ክቕርም” በለታ።+ ናእሚ ኸኣ፡ “ኪዲ ጓለይ” በለታ። 3 ንሳ ድማ ከይዳ ኣብ ግራት ኣትያ፡ ደድሕሪ ዓጻዶ ትቕርም ነበረት። እቲ ግራት ከኣ ብኣጋጣሚ ናይቲ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ+ ዝዀነ ቦኣዝ+ ነበረ። 4 ሽዑ፡ ቦኣዝ ካብ ቤት-ልሄም መጺኡ፡ ነቶም ዓጻዶ፡ “የሆዋ ምሳኻትኩም ይኹን” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “የሆዋ ይባርኽካ” ኢሎም መለሱሉ። 5 ቦኣዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበረ ጐበዝ፡ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ናይ መን እያ፧” በሎ። 6 እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ እተመዘዘ ጐበዝ ከኣ፡ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት+ ሞኣባዊት እያ።+ 7 ‘በጃኻ ግዳ፡ ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኣብ መንጎ እተዓጽደ ጉምቦታት* ዝተረፈ ክቕርምን+ ክኣርን፧’ ኢላ ድማ ሓተተት። ንግሆ ኻብ እትመጽእ ኣትሒዛ ኽሳዕ እዚ ሕጂ ኣብ መጽለሊ ቝሩብ ኮፍ ዝበለትሉ እዋን፡ ኣየዕረፈትን” ኢሉ መለሰ። 8 ቦኣዝ ድማ ንሩት፡ “ስምዒ እዛ ጓለይ፡ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ፣ ምስ እዘን ኣግራደይ ደኣ ልገቢ እምበር፡ ናብ ካልእ ኣይትኺዲ።+ 9 ኣበየናይ ግራት ከም ዚዓጽዱ ርኣዪ እሞ፡ ምሳታቶም ኪዲ። እቶም ኣጕባዝ ከይትንክዩኺ* ኣዚዘ ኣለኹ። ምስ ጸማእኪ፡ ናብቲ ዓታሩ ኼድኪ፡ ካብቲ እቶም ኣጕባዝ ዝቐድሕዎ ስተዪ” በላ። 10 ሽዑ፡ ንሳ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደት፣ “ኣነ ጓና ኽነሰይ ብኣይ ክትግደስሲ ኸመይ ኢለ ኣብ ኣዒንትኻ ሞገስ ረኺበ፧” ድማ በለቶ።+ 11 ቦኣዝ ከኣ፡ “ኵሉ እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክላ፡ ኣቦኽን ኣዴኽን ምድሪ ኣዝማድክን ሓዲግኪ፡ ኣቐዲምኪ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ኸም ዝመጻእኪ ብምሉኡ ተነጊሩኒ እዩ።+ 12 የሆዋ ኸም ግብርኺ ይፍደኺ፣+ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ እተማዕቈብክሉ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ዓስብኺ ምሉእ ይኹን” ኢሉ መለሰላ።+ 13 ንሳ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ከም ሓንቲ ኻብ ኣግራድካ እኳ ዘይኰንኩስ፡ ንገረድካ ኣጸናኒዓካንን ልበይ ዜቕስን ተዛሪብካንን ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እርከብ” በለቶ። 14 እዋን ምግቢ ምስ ኰነ፡ ቦኣዝ፡ “ናብዚ ንዒ እሞ፡ ካብዚ እንጌራ ቘሪስኪ ኣብዚ መጺጽ እናኣጥለቕኪ ብልዒ” በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓጻዶ ተቐመጠት። ቆሎ ኸኣ ሃባ፡ ንሳ እውን በሊዓ ጸጊባስ ኣትረፈት። 15 ክትቅርም ምስ ተንስአት ድማ፡+ ቦኣዝ ነቶም ኣጕባዙ፡ “ኣብ መንጎ እቲ እተዓጽደ ጉምቦታት* ትቐርም፡ ኣይተጋፍዕዋ።+ 16 ካብ ዕትርቲ መዝሒቕኩም ከኣ ክትቅርሞ ሕደጉላ እምበር፡ ኣይትድሃልዋ” በሎም። 17 ኣብቲ ግራት ከኣ ክሳዕ ምሸት ቀረመት።+ ነቲ ዝቐረመቶ ምስ ዘበጠቶ ድማ፡ ሓደ ኤፋ* ዚኣክል ስገም ኰነ። 18 ጾይራቶ ኸኣ ናብ ከተማ ኣተወት፣ ሓማታ ድማ ነቲ ዝቐረመቶ ረኣየቶ። ሩት ከኣ ነቲ ጸጊባ ዘትረፈቶ ኣውጺኣ ሃበታ።+ 19 ሓማታ ኸኣ፡ “ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ፧ ኣበይከ ዓዪኺ፧ እቲ እተገደሰልኪ ብሩኽ ይኹን” በለታ።+ ንሳ ድማ ንሓማታ፡ “ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝዓየኹ ሰብኣይ ቦኣዝ እዩ” ኢላ ምስ መን ከም ዝዓየየት ነገረታ። 20 ሽዑ፡ ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ፡ “እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ብተኣማንነት ምፍቃር ዘይሓደገ የሆዋ ይባርኮ” በለታ።+ ናእሚ ድማ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ መቕርብና እዩ፣+ ንሱ ሓደ ኻብቶም ተበጀውትና እዩ”* በለታ።+ 21 ሩት እታ ሞኣባዊት ከኣ፡ “ንሱ፡ ‘ብዘሎ ዓጺደይ ክሳዕ ዚውድኡ ምስቶም መንእሰያተይ ልገቢ’ እውን ኢሉኒ” በለታ።+ 22 ናእሚ ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ፡ “ጓለየ፡ ኣብ ካልእ ግራት ከየሸግሩኽስ፡ ምስተን ኣግራዱ ኽትወጺ ይሕሸኪ” በለታ። 23 ዓጺድ ስገምን+ ዓጺድ ስርናይን ክሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ምስተን ኣግራድ ቦኣዝ ለጊባ ቐረመት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።+ 4 ቦኣዝ ድማ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደዪቡ፡+ ኣብኡ ኾፍ በለ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቦኣዝ እተዛረበሉ ተበጃዊ+ ይሓልፍ ነበረ። ቦኣዝ ድማ፡ “እከለ፡ ንዓ ኣብዚ ኾፍ በል” በሎ። ንሱ ኸኣ ከይዱ ኾፍ በለ። 2 ቦኣዝ ድማ ዓሰርተ ኻብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ወሲዱ፡+ “ኣብዚ ኾፍ በሉ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ኮፍ በሉ። 3 ሽዑ፡ ቦኣዝ ነቲ ተበጃዊ፡+ “እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡+ ንግራት ኤሊሜሌክ ሓውና ኽትሸጦ እያ።+ 4 ኣነ ድማ፡ ‘ኣብ ቅድሚ ነበርትን ዓበይትን ህዝበይ ዓድጎ።+ ብቐዳምነት ክትብጆ እትኽእል ንስኻ ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ድሕሬኻ እየ እሞ፡ ትብጀዎ እንተ ዄንካ፡ ተበጀዎ። ዘይትብጀዎ እንተ ዄንካ ግና፡ ክፈልጥ ንገረኒ’ ኢለ ኸፍልጠካ ኸም ዘሎኒ ሓሲበ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ክብጀዎ ፍቓደኛ እየ” ኢሉ መለሰ።+ 5 ቦኣዝ ድማ፡ “በታ ነቲ ግራት ካብ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲ፡ ስም እቲ ምዉት ናብ ርስቱ ንምምላስ፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ እቲ ምዉት እውን ክትዕድጎ ኢኻ” በሎ።+ 6 ሽዑ፡ እቲ ተበጃዊ፡ “ርስተይ ከየበላሹስ ክብጀዎ ኣይክእልን እየ። ክብጀዎ ኣይክእልን እየ እሞ፡ በቲ ናተይ መሰል ምብጃውሲ፡ ንስኻ ተበጀዎ” በሎ። 7 ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ብዛዕባ መሰል ምብጃውን ልውውጥን ኵሉ ነገር ንምጽናዕ ከምዚ ይግበር ነበረ፦ ሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ+ ነቲ ኻልእ ወገን ይህቦ ነበረ፣ እዚ ድማ ኣብ እስራኤል መረጋገጺ ስምምዕ ነበረ። 8 ስለዚ፡ እቲ ተበጃዊ ንቦኣዝ፡ “ንስኻ ዓድጎ” ምስ በሎ፡ ሳእኑ ኣውጽአ። 9 ቦኣዝ ከኣ ነቶም ዓበይትን ንዅሉ እቲ ህዝብን፡ “ኣነ ንዅሉ እቲ ናይ ኤሊሜሌክ ዝነበረን ንዅሉ እቲ ናይ ኪልዮንን ናይ ማሕሎንን ዝነበረን ካብ ናእሚ እዕድጎ ኸም ዘለኹ፡ ሎሚ ንስኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም።+ 10 ስም እቲ ምዉት ካብ መንጎ ኣሕዋቱን ካብ ኣፍ ደገ ኸተማኡን ምእንቲ ኸይጠፍእ፡ ስም እቲ ምዉት ናብ ርስቱ ንምምላስ፡ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን እውን፡ ሰበይተይ ክትከውን እዕድጋ ኣለኹ።+ ሎሚ ንስኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም።+ 11 ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝነበሩ ህዝብን እቶም ዓበይትን፡ “መሰኻኽር ኢና። የሆዋ ነዛ ናብ ቤትካ እትኣቱ ዘላ ሰበይቲ ኸም ክልቲአን እተን ንቤት እስራኤል ዝሃነጻ ራሄልን ልያን ይግበራ።+ ንስኻ እውን ኣብ ኤፍራታ ይስለጥካ፡+ ኣብ ቤት-ልሄም እውን ጽቡቕ ስም ይሃሉኻ።*+ 12 ቤትካ በቲ የሆዋ ኻብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡+ እቲ ታማር ንይሁዳ ዝወለደትሉ ትኹን” በሉ።+ 13 ሽዑ፡ ቦኣዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳ እውን ሰበይቱ ዀነት። ናብኣ ኸኣ ኣተወ፡ የሆዋ ድማ ጥንሲ ሃባ፡ ወዲ እውን ወለደት። 14 እተን ኣንስቲ ኸኣ ንናእሚ፡ “እቲ ሎሚ ብዘይ ተበጃዊ ዘይሓደገኪ የሆዋ ይወደስ። ስሙ ኣብ እስራኤል ይተኣወጅ! 15 እታ ኻብ ሸውዓተ ኣወዳት እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ+ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ንህይወትኪ* ሓዲስዋ ኣሎ፣* ኣብ እርጋንኪ እውን ኪጥውረኪ እዩ” በላኣ። 16 ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ፡ ሓቘፈቶ፡ ናበየቶ እውን።* 17 እተን ጐረባብታ ኸኣ ስም ኣውጽኣሉ። “ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ” ድማ በላ። ዖቤድ ኢለን ከኣ ሰመያኦ።+ ንሱ ኣቦ እሴይ፡+ ኣቦ ዳዊት እዩ። 18 ትውልዲ* ፋሬስ ድማ እዚ እዩ፦+ ፋሬስ ንሔጽሮን ወለደ፣+ 19 ሔጽሮን ከኣ ንራም ወለደ፣ ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፣+ 20 ኣሚናዳብ+ ከኣ ንነኣሶን ወለደ፣ ነኣሶን ድማ ንሰልሞን ወለደ፣ 21 ሰልሞን ከኣ ንቦኣዝ ወለደ፣ ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ፣ 22 ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ፣+ እሴይ ድማ ንዳዊት ወለደ።+ 17 ፍልስጥኤማውያን+ ድማ ኪዋግኡ ሰራዊቶም* ኣኽተቱ። ኣብ ሶኮ+ ናይ ይሁዳ ኸኣ ተኣከቡ፣ ኣብ መንጎ ሶኮን ዓዜቃን፡+ ኣብ ኤፌስ-ዳሚም ድማ ሰፈሩ።+ 2 ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ከኣ ከቲቶም ኣብ ስንጭሮ* ኤላህ ሰፈሩ፣+ ንፍልስጥኤማውያን ኪቀባበልዎም ድማ ንውግእ ተሰለፉ። 3 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ሓዙ፡ እስራኤላውያን ድማ ነቲ ኸረን ብኻልእ ወገኑ ሓዙ፣ ኣብ መንጎኦም እውን እቲ ስንጭሮ ነበረ። 4 ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ካብ ጋት+ ዝዀነ ጐልያድ ዝስሙ ጐብለል ወጸ፣+ ቍመቱ ድማ ሽዱሽተ እመትን ስድርን* ነበረ። "5 ኣብ ርእሱ ኸኣ ቍራዕ ርእሲ ነሓሲ ነበሮ፣ ከም ዚደራረብ ቅርፍቲ ዝበለ ድርዒ ድማ ተኸዲኑ ነበረ። ሚዛን እቲ ድርዒ ነሓሲ እውን፡+ 5,000 ሲቃል* ነበረ።" 6 ካብ ነሓሲ እተገብረ መከላኸሊ በራቒቶኡ ኸኣ ኣብ ኣእጋሩ ነበረ፣ መዝረቕ+ ነሓሲ እውን ኣብ መንጎ መናኵቡ ተንጠልጢሉ ነበረ። 7 ዛብያ ዂናቱ ድማ ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ፣+ እቲ ኻብ ሓጺን እተገብረ ብልሒ ዂናቱ ኸኣ 600 ሲቃል* ይምዘን ነበረ፣ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። 8 ተንሲኡ ኸኣ ነቶም ሰልፈኛታት እስራኤል ጸዊዑ፡+ ከምዚ በሎም፦ “ስለምንታይ ክትስለፉ ወጺእኩም፧ ኣነስ ፍልስጥኤማዊ ደይኰንኩን፧ ንስኻትኩምከ ገላዉ ሳኦል ደይኰንኩምን፧ ንስኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፡ ናባይ ይውረድ። 9 ምሳይ ተዋጊኡ ኪቐትለኒ እንተ ኽኢሉ፡ ንሕና ገላዉኹም ክንከውን ኢና። ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐቲለዮ ግና፡ ንስኻትኩም ገላዉና ዄንኩም ክትግዝኡና ኢኹም።” 10 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ፡ “ኣነ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰልፈኛታት እስራኤል ኣባጭየሎም* ኣለኹ።+ ሓደ ሰብኣይ ሃቡኒ እሞ፡ ንሓድሕድና ንዋጋእ!” በለ። 11 ሳኦልን ኵሎም እስራኤልን እዚ ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፡ ተሸበሩ፡ ኣዝዮም እውን ፈርሁ። 12 ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሴይ+ ዝስሙ ሸሞንተ ኣወዳት ዝነበርዎ፡+ ብዘመን ሳኦል ድማ ኣረጊት ሰብኣይ ዝነበረ ኤፍራታዊ+ ብዓል ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ነበረ። 13 እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ንሳኦል ስዒቦም ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ።+ ስማት እቶም ናብቲ ውግእ ዝኸዱ ሰለስቲኦም ኣወዳት ከኣ፡ እቲ በዅሪ ኤልያብ፡+ እቲ ኻልኣይ ኣቢናዳብ፡+ እቲ ሳልሳይ ድማ ሻማ ነበረ።+ 14 ዳዊት ከኣ ሕሳስ ልደ ነበረ፣+ እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ድማ ንሳኦል ሰዓብዎ። 15 ዳዊት ከኣ ንኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤት-ልሄም ኪጓሲ፡ ካብ ሳኦል ይመላለስ ነበረ።+ 16 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ 40 መዓልቲ፡ ንግሆ ንግሆን ምሸት ምሸትን ቀሪቡ ኣብ ቅድሚኦም ይቐውም ነበረ። 17 እሴይ ከኣ ንወዱ ዳዊት፡ “በጃኻ፡ ሓደ ኤፋ* ቖሎን እዚ ዓሰርተ እንጌራ እዝን ሒዝካ፡ ቀልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኪድ። 18 ነቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ እዘን ዓሰርተ ጎጎ ኣጅቦ* እዚአን ውሰደሉ፣ ኣሕዋትካ ደሓን እንተ ኣልዮም ርአ፡ ካባታቶም ከኣ መረጋገጺ ኣምጽኣለይ” በሎ። 19 ንሳቶም ድማ ምስ ሳኦልን ምስ ኵሎም ሰብ እስራኤልን ኣብ ስንጭሮ* ኤላህ+ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።+ 20 ዳዊት ከኣ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ነተን ኣባጊዕ ምስ ሓላዊ ሓዲጉ፡ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፡ ጾሩ ኣልዒሉ ኸደ። ናብቲ እተሓጽረ ሰፈር ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ እቲ ሰራዊት ጭድርታ ውግእ እናጨደረ ናብቲ መስመር ውግእ ይወጽእ ነበረ። 21 እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ድማ ሓደ ሰልፈኛ ምስቲ ሓደ ሰልፈኛ ኺጋጠሙ ተሰለፉ። 22 ብኡብኡ፡ ዳዊት ነቲ ኣቕሑኡ ምስቲ ሓላው ኣቕሑ ሓዲጉ፡ ናብቲ መስመር ውግእ ጐየየ። ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ኣሕዋቱ ደሓን እንተ ኣልዮም ሓተተ።+ 23 ንሱ ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ኻብ ጋት ዝዀነ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ ጐብለል መጸ።+ ካብቶም ሰልፈኛታት ፍልስጥኤማውያን ወጺኡ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ዘረባ ተዛረበ፣+ ዳዊት ድማ ሰምዖ። 24 ኵሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረኣይዎ፡ ካብኡ ሃደሙ፡ ተሸበሩ እውን።+ 25 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ፡ “ነዚ ዚወጽእ ዘሎ ሰብኣይሲ ትርእይዎዶ ኣለኹም፧ ንእስራኤል ኬባጭወሉ* እዩ መጺኡ።+ ነቲ ንዕኡ ዚቐትሎ ሰብኣይ፡ ንጉስ ብብዙሕ ሃብቲ ኼሀብትሞ፡ ጓሉ እውን ኪህቦ እዩ፣+ ንቤት ኣቦኡ ድማ ኣብ እስራኤል ሓራ ኺገብራ እዩ” በሉ። 26 ዳዊት ከኣ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት፡ “እቲ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ዚቐትሎ እሞ ኻብ እስራኤል ጸርፊ ዜርሕቕ ሰብኣይ እንታይ ኪግበረሉ እዩ፧ ንሰልፈኛታት እቲ ህያው ኣምላኽ ዜባጭወሎምሲ* እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ መን እዩ፧” በሎም።+ 27 እቶም ህዝቢ ድማ፡ “ነቲ ዚቐትሎ ሰብኣይ ከምዚ ኺግበረሉ እዩ” ኢሎም ከምተን ዝቐደማ ቓላት ነገርዎ። 28 ኤልያብ እቲ ዓብዪ ሓዉ ኸኣ፡+ ነቶም ሰባት ኪዛረቦም ምስ ሰምዖ፡ ንዳዊት ተቘጥዖ እሞ፡ “እንታይ ክትገብር ናብዚ ወሪድካ፧ ነተን ሒደት ኣባጊዕከ ኣብ በረኻ ምስ መን ሓዲግካየን፧+ ድፍረትካን ክፍኣት ልብኻን ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ፣ ውግእ ክትርኢ ኢኻ ወሪድካ” በሎ። 29 ዳዊት ከኣ፡ “ሕጂኸ እንታይ ገይረ ድየ፧ ሕቶ ጥራይ እየ ሓቲተ” በለ። 30 ካብኡ ናብ ካልእ ግልጽ ኢሉ ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ ኢሉ ሓተተ፣+ እቶም ህዝቢ እውን ከምቲ ኣቐዲሞም ዝበልዎ ኢሎም መለሱሉ።+ 31 እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዐ፡ ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸኣ ልኢኹ ኣምጽኦ። 32 ዳዊት ድማ ንሳኦል፡ “ብሰንኪ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጃጁ። ጊልያኻ ኸይዱ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኺዋጋእ እዩ” በሎ።+ 33 ሳኦል ግና ንዳዊት፡ “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡+ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ተዋጋኢ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ። 34 ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ “ጊልያኻ መጓሰ ኣቦኡ ይጓሲ ነይሩ፣ ኣንበሳ+ መጺኡ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ፡ ድቢ እውን ከምኡ ምስ ገበረ፡ 35 ኣነ ደድሕሪኡ ወጺአ ቐቲለዮ፡ ካብ ኣፉ እውን ኣናጊፈ። ምስ ተንስኣኒ ኸኣ፡ ብጸጕሩ* ሒዘ ወቒዐ ቐቲለዮ። 36 ጊልያኻ ኣንበሳን ድብን ቀቲሉ እዩ፣ እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ድማ ንሰልፈኛታት እቲ ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩሉ* እዩ እሞ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ኪኸውን እዩ” በሎ።+ 37 ዳዊት ከኣ፡ “እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘናገፈኒ የሆዋ፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼናግፈኒ እዩ” በለ።+ ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ “ኪድ፡ የሆዋ ምሳኻ ይኹን” በሎ። 38 ሳኦል ከኣ ንዳዊት ክዳውንቱ ኸደኖ። ኣብ ርእሱ ድማ ቍራዕ ርእሲ ነሓሲ ገበረሉ፣ ድሕርዚ፡ ድርዒ ኸደኖ። 39 ዳዊት ከኣ ሰይፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳውንቱ ተዓጢቑ ኪኸይድ ፈተነ፣ ስለ ዘይለመዶ ግና፡ ኣይከኣለን። ዳዊት ድማ ንሳኦል፡ “ኣይለመድክዎን እሞ፡ ነዚ ገይረስ ክኸይድ ኣይክእልን እየ” በሎ። ዳዊት ከኣ ኣራገፎ። 40 በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ድማ፡ ካብ ርባ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሓርዩ ኣብ ሕሽኩል እቲ ቝርባብሻኡ ኣንበሮ፣ ወንጭፉ+ እውን ኣብ ኢዱ ሓዘ። ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ኸኣ ቀረበ። 41 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ናብ ዳዊት እናቐረበ መጸ፣ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ነበረ። 42 እቲ ፍልስጥኤማዊ ንዳዊት ኣተኲሩ ምስ ረኣዮ፡ ንሱ ቐይሕን ጽቡቕ ዝትርኢቱን ወዲ ስለ ዝነበረ፡ ብንዕቀት ኣናሸዎ።+ 43 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ “ብበትሪ እትመጸንስ፡ ኣነዶ ኸልቢ እየ፧”+ በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ብኣማልኽቱ ረገሞ። 44 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ “ናባይ ንዓ እሞ፡ ስጋኻ ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንኣራዊት መሮርን ክህቦም እየ” በሎ። 45 ዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ ኣለኻ፣+ ኣነ ግና ብስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ እቲ ንስኻ ዘባጨኻሉ* ኣምላኽ ሰልፈኛታት እስራኤል እመጸካ ኣለኹ።+ 46 በዛ መዓልቲ እዚኣ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ፣+ ኣነ ኸኣ ክቐትለካን ርእስኻ ክቘርጽን እየ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ሬሳታት ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ፣ ህዝቢ ዅላ ምድሪ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ ኺፈልጡ እዮም።+ 47 እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ እሞ፡+ ኵሎም እዞም ኣብዚ ተኣኪቦም* ዘለዉ፡ የሆዋ ዜድሕን ብሰይፍን ብዂናትን ከም ዘይኰነ ኺፈልጡ እዮም፣+ ንዅላትኩም ከኣ ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ።”+ 48 ሽዑ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ተንሲኡ ናብ ዳዊት ቀረበ፣ ዳዊት ድማ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቀባበሎ ናብቲ መስመር ውግእ ቀልጢፉ ጐየየ። 49 ዳዊት ከኣ ኢዱ ናብቲ ቝርባብሻኡ ኣእትዩ፡ ካብኡ እምኒ ወሲዱ ወንጨፋ። ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ኣብ ግምባሩ ወቕዖ፡ እታ እምኒ ኸኣ ናብ ግምባሩ ኣተወት፣ ንሱ ኸኣ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ።+ 50 በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰነፎ፣ ኣብ ኢድ ዳዊት ሰይፊ ዘይነበረ ኽነሱ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ።+ 51 ዳዊት ድማ ጐይዩ ኣብ ልዕሊኡ ደው በለ። ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ሒዙ+ ኸኣ ካብ ሰገባኡ መልሖ፣ ብእኡ ገይሩ ርእሱ ብምቝራጽ ድማ፡ ሙማቱ ኣረጋገጸ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ።+ 52 ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተንሲኦም ጨደሩ፣ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብታ ስንጭሮ+ ኽሳብ ኣፍ ደገታት ዔቅሮን ሰጐጕዎም፣+ ቅቱላት እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ካብ ሻዓራይም+ ክሳብ ጋትን ዔቅሮንን ኣብ መገዲ ወደቑ። 53 እስራኤላውያን ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስጓጎም ምስ ተመልሱ፡ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ። 54 ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ፣ ኣጽዋር እቲ ፍልስጥኤማዊ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ።+ 55 ሳኦል ከኣ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቀባበሎ ኺወጽእ ምስ ረኣየ፡ ንኣብኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱ፡ “ኣብኔር፡+ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን እዩ፧”+ በሎ። ኣብኔር ከኣ፡ “ኦ ንጉስ፡ ከምቲ ህያው ዝዀንካ፡* ኣይፈልጥን እየ” ኢሉ መለሰሉ። 56 እቲ ንጉስ ድማ፡ “እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን ምዃኑ ሕተት” በሎ። 57 ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ኣብኔር ወሲዱ ናብ ቅድሚ ሳኦል ኣእተዎ፣ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ+ እውን ኣብ ኢዱ ነበረት። 58 ሳኦል ከኣ፡ “ኣታ ወዲ፡ ወዲ መን ኢኻ፧” በሎ። ዳዊት ድማ፡ “ወዲ ጊልያኻ እሴይ+ ብዓል ቤት-ልሄም” በለ።+ 30 ዳዊትን ሰቡን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ጺቅላግ+ ምስ መጹ፡ ኣማሌቃውያን+ ንደቡብን* ንጺቅላግን ወሪሮም ነበሩ፣ ንጺቅላግ ኣጥቂዖም ድማ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ ነበሩ። 2 ንኣንስትን+ ንዅሎም ኣብኣ ዝጸንሑን ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ማሪኾም ነበሩ። ግናኸ፡ ማሪኾም ደኣ መገዶም ከዱ እምበር፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተሉን። 3 ዳዊትን ሰቡን ናብታ ኸተማ ምስ መጹ ኸኣ፡ ብሓዊ ነዲዳ ረኸብዋ፣ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ተማሪኾም ነበሩ። 4 ሽዑ፡ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ። 5 ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊት፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳውን ከኣ ተማሪኸን ነበራ።+ 6 ኵሎም እቶም ህዝቢ* ብዛዕባ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣዝዮም ተመሪሮም ነበሩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ይዛረቡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣዝዩ ጨነቖ። ዳዊት ግና ብየሆዋ ኣምላኹ በርትዐ።+ 7 ዳዊት ድማ ንኻህን ኣብያታር+ ወዲ ኣሒሜሌክ፡ “በጃኻ ኤፎድ ናብዚ ኣምጽእ” በሎ።+ ኣብያታር ከኣ ነቲ ኤፎድ ናብ ዳዊት ኣምጽኦ። 8 ዳዊት ድማ ንየሆዋ፡ “ነዚ ዘማቲ ጭፍራስ ክስዕቦዶ፧ ከርክቦምዶኸ እየ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ብርግጽ ከተርክቦም ኢኻ፡ ከተናግፍ እውን ኢኻ እሞ፡ ኪድ ስዓብ” በሎ።+ 9 ብኡብኡ፡ ዳዊት ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ 600 ሰብኡት ነቐለ፣+ ክሳብ ርባ* በሶር ድማ ከዱ፣ ኣብኡ ኸኣ ገሊኦም ድሕሪት ተረፉ። 10 ዳዊትን 400 ሰብኡትን ድማ ሰዓቡ፣ 200 ሰብኡት ግና ደኺሞም ንርባ በሶር ምስጋር ስኢኖም ድሕሪት ተረፉ።+ 11 ኣብ መሮር ከኣ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ፡ ናብ ዳዊት ወሰድዎ። ንዕኡ ድማ ዚብላዕ እንጌራን ዚስተ ማይን ሃብዎ፣ 12 ቍራስ ጎጎ በለስን ክልተ ጎጎ ዘቢብን ከኣ ሃብዎ። እንጌራ ኸይበልዐ ወይ ማይ ከይሰተየ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ ምስ በልዐ፡ ሓይሉ ተሓደሰ።* 13 ዳዊት ከኣ፡ “ንስኻ ናይ መን ኢኻ፧ ካበይከ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ግብጻዊ ጊልያ፡ ባርያ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝሓመምኩ ግና፡ ጐይታይ ሓዲጉኒ። 14 ንሕና ኣብ ደቡብ* ክረታውያንን+ ኣብ ናይ ይሁዳን ኣብ ደቡብ* ካሌብን+ ወሪርና፣ ንጺቅላግ ከኣ ብሓዊ ኣንዲድናያ” በለ። 15 ዳዊት ድማ፡ “ናብቲ ዘማቲ ጭፍራዶ መሪሕካ ተውርደኒ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከይትቐትለንን ናብ ኢድ ጐይታይ ኣሕሊፍካ ኸይትህበንን ብኣምላኽ እንተ ምሒልካለይ፡ ናብቲ ዘማቲ ጭፍራ መሪሐ ኸውርደካ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 16 ናብቲ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎምሉ ዝነበሩ መሪሑ ድማ ኣውረዶ፣ ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኵሉ እቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ምድሪ ይሁዳን ዝወሰድዎ ብዙሕ ምርኮ ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ። 17 ዳዊት ድማ ካብ ኣጋ ወጋሕታ ኽሳዕ እታ ስዒባ ዘላ ምሸት ቀተሎም፣ ብዘይካ ኣግማል ተወጢሖም ዝሃደሙ 400 ኣጕባዝ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን።+ 18 ዳዊት ከኣ ንዅሉ እቲ ኣማሌቃውያን ወሲዶምዎ ዝነበሩ ኣምለሶ፣+ ዳዊት ድማ ንኽልቲአን ኣንስቱ ኣናገፈን። 19 ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ዋላ ሓደ እኳ ኣይጐደሎምን። ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኵሉ ምርኮን ኣምለሱ፣+ ዳዊት ከኣ ኵሉ እቲ እተወስደ ኣምለሰ። 20 ዳዊት ድማ ንዅለን እተን ቀቅድሚ ማሎም ዚኽብክብወን ዝነበራ ጤለ በጊዕን ከብትን ወሰደ። ንሳቶም ከኣ፡ “እዚ ምርኮ ዳዊት እዩ” በሉ። 21 ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ንዳዊት ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ርባ በሶር ዝተረፉ 200 ሰብኡት መጸ።+ ንሳቶም ከኣ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኪቕበሉ ወጹ። ዳዊት ድማ ናብቶም ሰብኡት ምስ ቀረበ፡ ከመይ ከም ዘለዉ ሓተቶም። 22 ግናኸ፡ ካብቶም ምስ ዳዊት ከይዶም ዝነበሩ እቶም ክፉኣትን ዘይጠቕሙን ዘበሉ ሰብኡት፡ “ምሳና ስለ ዘይከዱ፡ ካብቲ ዘምለስናዮ ምርኮ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ግና ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኪኸይድ ይኽእል እዩ” በሉ። 23 ዳዊት ግና፡ “ኣሕዋተየ፡ በቲ የሆዋ ዝሃበናስ ከምዚ ኣይትግበሩ። ንሱ ሓልዩና፡ ነቲ ኣንጻርና ዝመጸ ዘማቲ ጭፍራ እውን ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ።+ 24 በዝስ መን እሞ ምሳኻትኩም ኪሰማማዕ እዩ፧ ግደ እቲ ናብ ውግእ ዝወረደ፡ ምስ ግደ እቲ ኣብ ኣቕሑ እተቐመጠ ማዕረ ይኹን።+ ኵሎም ማዕረ ይማቐሉ” በለ።+ 25 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ነዚ ኣብ እስራኤል ስርዓትን ሕግን ገበሮ። 26 ዳዊት ናብ ጺቅላግ ምስ መጸ፡ “ካብ ምርኮ ጸላእቲ የሆዋ፡ እንሆልኩም ገጸ በረኸት” ኢሉ ገለ ኻብቲ ምርኮ ናብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ ይሁዳ ሰደደ። 27 ናብቶም ኣብ ቤት-ኤል+ ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ራሞት ናይ ነጌብ* ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ያቲር+ ዝነበሩን 28 ናብቶም ኣብ ዓሮዔር ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ሲፍሞት ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ኤሽትሞዓ+ ዝነበሩን 29 ናብቶም ኣብ ራካል ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን+ ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ከተማታት ቄናውያን+ ዝነበሩን 30 ናብቶም ኣብ ሖርማ+ ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ቦርዓሻን ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ዓታኽ ዝነበሩን 31 ናብቶም ኣብ ኬብሮን+ ዝነበሩን ናብ ኵሉ እቲ ዳዊትን ሰቡን ዚመላለሱሉ ዝነበሩ ቦታታትን ሰደደ። 31 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ።+ ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ተቐቲሎም ወደቑ።+ 2 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦልን ንደቁን እግር እግሮም ሰዓብዎም፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዮናታንን+ ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን ደቂ ሳኦል+ ቀተልዎም። 3 እቲ ውግእ ድማ ንሳኦል በርትዖ፡ ቀስተኛታት ከኣ ረኸብዎ፡ በቶም ቀስተኛታት እውን ብብርቱዕ ቈሰለ።+ 4 ሽዑ፡ ሳኦል ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “እዞም ዘይግዙራት+ እዚኦም መጺኦም ከይወግኡንን ከይጭክኑለይንሲ፡* ሰይፍኻ መሊሕካ ብእኡ ውግኣኒ” በሎ። እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ግና፡ እምብዛ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ኣበየ። ሽዑ፡ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።+ 5 እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡+ ንሱ እውን ኣብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። 6 በዚ ኸምዚ፡ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ተሰካም ኣጽዋሩን ኵሎም ሰቡን በታ መዓልቲ እቲኣ ብሓደ ሞቱ።+ 7 እቶም ኣብ ዞባ ስንጭሮን* ኣብ ዞባ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ።+ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ሓዝወን። 8 ንጽብሒቱ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ቅቱላት ኪገፍፍዎም ምስ መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።+ 9 ርእሱ ቘሪጾም፡ ኣጽዋሩ እውን ገፊፎም ከኣ፡ ኣብ ኣባይቲ* ጣኦታቶምን+ ኣብቲ ህዝብን ኬውርዩ ናብ ኵላ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ወረ ለኣኹ።+ 10 ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ምስልታት ኣሽቶረት ኣንበርዎ፣ ሬሳኡ ኸኣ ኣብ መካበብያ ቤት-ሻን+ ሰቐልዎ። 11 ነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ፡+ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፡ 12 ኵሎም ጀጋኑ ተንሲኦም፡ ምሉእ ለይቲ ተጓዒዞም፡ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ካብ መንደቕ ቤት-ሻን ወሰድዎ እሞ፡ ናብ ያቤሽ ተመሊሶም ኣብኡ ኣንደድዎ። 13 ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ፡+ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ዕቦል ቀበርዎ፣+ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ። 18 ዳዊት ምስ ሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ዮናታንን+ ዳዊትን ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ ኰኑ፣* ዮናታን ከኣ ከም ርእሱ* ገይሩ ፈተዎ።+ 2 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ሳኦል ንዳዊት ምስኡ ገበሮ፣ ናብ ቤት ኣቦኡ ኺምለስ እውን ኣይፈቐደሉን።+ 3 ዮናታን ንዳዊት ከም ርእሱ* ገይሩ ስለ ዝፈተዎ ድማ፡+ ኪዳን ተኣታተዉ።+ 4 ዮናታን ከኣ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ኣውጺኡ ንዳዊት ሃቦ፣ ክዳውንቱን ሰይፉን ቀስቱን ዕጣቑን እውን ሃቦ። 5 ዳዊት ከኣ ይወጽእ ነበረ፣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዘበለ ድማ ይሰልጦ* ነበረ።+ ሳኦል ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ሓለቓ ገበሮ፣+ እዚ ኸኣ ንዅሉ ህዝብን ንገላዉ ሳኦልን ባህ ኣበሎም። 6 ዳዊትን ካልኦትን ንፍልስጥኤማውያን ቀቲሎም ኪምለሱ ኸለዉ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላኦ ብደርፍን+ ብሳዕስዒትን ብኸበሮን+ ብታሕጓስን ብዑድን* ይወጻ ነበራ። 7 እተን ዚጻወታ ኣንስቲ ድማ ከምዚ ኢለን ይደርፋ ነበራ፦ “ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ።”+ 8 ሳኦል ከኣ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣+ እዚ ደርፊ እዚ ድማ ኣጕሃዮ እሞ፡ “ንዳዊት ኣእላፋት ሂበናኦ፡ ንዓይ ግና ኣሽሓት ሂበናኒ። ነዚ ደኣ ንግስና ጥራይ እያ ተሪፋቶ” በለ።+ 9 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ሳኦል ንዳዊት ወትሩ ብጥርጣረ ይርእዮ ነበረ። 10 ንጽብሒቱ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ናብ ሳኦል መጸ+ እሞ ኣብ ውሽጢ ቤቱ ዘይልሙድ ጠባይ ኣርኣየ፣* ዳዊት ከኣ ከም ካልእ ኣጋጣሚታት ብመሰንቆ* ሙዚቃ ይጻወት ነበረ።+ ሳኦል ድማ ኣብ ኢዱ ዂናት ነበሮ፣+ 11 ‘ንዳዊት ምስ መንደቕ ከላግቦ እየ’ ኢሉ ኸኣ ነቲ ዂናት ወርወሮ።+ ዳዊት ግና ክልተ ሳዕ ካብኡ ኣምለጠ። 12 የሆዋ ኻብ ሳኦል ኣልጊሱ+ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዕኡ ፈርሆ።+ 13 ስለዚ፡ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ፣ ዳዊት ከኣ ነቲ ሰራዊት ናብ ውግእ ይመርሖ ነበረ።*+ 14 ዳዊት ድማ ኣብ ኵሉ ዚገብሮ ይሰልጦ* ነበረ፡+ የሆዋ እውን ምስኡ ነበረ።+ 15 ሳኦል ከኣ ብዙሕ ይሰልጦ ኸም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ፈርሆ። 16 ኵሎም እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ወፈራታቶም ይመርሖም ስለ ዝነበረ፡ ንዳዊት ፈተውዎ። 17 ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ “እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ እንሃ።+ ሰበይቲ ኽትኰነካ ኽህበካ እየ።+ ሓንትስ፡ ተባዕ ደኣ ዅነለይ፡ ውግእ የሆዋ ድማ ተዋጋእ” በሎ።+ ከመይሲ፡ ሳኦል፡ ‘ኢደይ ኣንጻሩ ኣይትኹን። ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ትውቅዓዮ’ ኢሉ ነበረ።+ 18 ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ “ሰብኣይ ጓል ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ቤተ ሰበይን ዓሌት ኣቦይንከ ኣብ እስራኤል መን እዮም፧” በሎ።+ 19 በታ ሜራብ ጓል ሳኦል ንዳዊት እትውሃበላ ግዜ ግና፡ ንዓድርኤል+ እቲ መሖላታዊ ሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋሂባ ነበረት። 20 ሚካል+ ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ኣፍቀረቶ፣ እዚ ድማ ንሳኦል ተነግሮ፡ እቲ ነገር ከኣ ባህ ኣበሎ። 21 ሳኦል ድማ፡ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ ንዓኣ ኽህቦ እየ” በለ።+ ስለዚ፡ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ሳዕ፡ “ሎሚ ምሳይ ክትዋሰብ ኢኻ”* በሎ። 22 ሳኦል ከኣ ንገላዉኡ፡ “ንዳዊት፡ ‘እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ ኣሎ፣ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ይፈትዉኻ እዮም። ሕጂ ኸኣ ምስ ንጉስ ተዋሰብ’ ኢልኩም ብምስጢር ንገርዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 23 እቶም ገላዉ ሳኦል እዚ ነገር እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፡ ዳዊት፡ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብኣይ ክነሰይ፡ ምስ ንጉስ ምውሳብሲ ቐሊል ነገር ድዩ ዚመስለኩም፧” በለ።+ 24 እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ “ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ እዚ እዩ” ኢሎም ነገርዎ። 25 ሳኦል ድማ፡ “ንዳዊት ከምዚ በልዎ፦ ‘ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ ብዘይካ 100 ዕልቦ+ ፍልስጥኤማውያን፡ ካልእ ገዝሚ ኣይደልን እዩ’”+ በለ። ሳኦልሲ፡ ዳዊት ብኢድ ፍልስጥኤማውያን ኪወድቕ ሓሲቡ ነበረ። 26 እቶም ገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ነገርዎ፣ ዳዊት ምስ ንጉስ ኪዋሰብ፡ ንዕኡ ባህ ኣበሎ።+ ቅድሚ እቲ እተመደበ ግዜ ኸኣ፡ 27 ዳዊት ምስ ሰቡ ኸይዱ፡ 200 ፍልስጥኤማውያን ሰብኡት ቀተለ፣ ዳዊት ድማ ምስ ንጉስ ምእንቲ ኺዋሰብ፡ ምሉእ ቍጽሪ ዕልቦኦም ናብ ንጉስ ኣምጽአ። ስለዚ፡ ሳኦል ንሚካል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ።+ 28 ሳኦል ከኣ፡ የሆዋ ምስ ዳዊት ከም ዘሎ፡+ ሚካል ጓሉ እውን ከም ዘፍቀረቶ ተገንዘበ።+ 29 ብሰንኪ እዚ ድማ ሳኦል ንዳዊት ብዝያዳ ፈርሆ፣ ሳኦል ከኣ ብምሉኡ ዝተረፈ ህይወቱ ጸላእ ዳዊት ኰነ።+ 30 መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብ ውግእ ይወጹ ነበሩ፣ በብዝወጹሉ ግዜ ግና፡ ዳዊት ካብ ኵሎም ገላዉ ሳኦል ብዝያዳ ይሰልጦ* ነበረ፣+ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ።+ 23 ንዳዊት ድማ፡ “ፍልስጥኤማውያን ምስ ቅዒላ+ ይዋግኡ ኣለዉ፡ ኣዕውዲ እውን ይወርሩ ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ። 2 ዳዊት ከኣ ንየሆዋ፡ “ከይደዶ ነዞም ፍልስጥኤማውያን ክወቕዖም፧” ኢሉ ሓተቶ።+ የሆዋ ድማ ንዳዊት፡ “ኪድ፡ ንፍልስጥኤማውያን ውቕዓዮም፡ ንቅዒላ እውን ኣናግፋ” በሎ። 3 ግናኸ፡ ንዳዊት፡ እቶም ሰቡ፡ “እንሆ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ኸለና እኳ ንፈርህ ኣለና፣+ ናብ ቅዒላ ኣንጻር ሰልፈኛታት ፍልስጥኤማውያን እንተ ኼድና ግዳ ኽንደይ ዘይገድድ!” በልዎ።+ 4 ሽዑ፡ ዳዊት ንየሆዋ መሊሱ ሓተቶ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብ ቅዒላ ውረድ” ኢሉ መለሰሉ።+ 5 ዳዊት ድማ ምስ ሰቡ ናብ ቅዒላ ኸይዱ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፣ ማሎም ከኣ ዘመተ፣ ንዓታቶም ወቒዑ እውን ብዙሓት ቀተለ። በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት ንነበርቲ ቅዒላ ኣናገፎም።+ 6 ኣብያታር+ ወዲ ኣሒሜሌክ ድማ፡ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ሃደመ፣ ኤፎድ ከኣ ምስኡ ነበረ። 7 ንሳኦል ድማ፡ “ዳዊት ናብ ቅዒላ መጺኡ” ተባሂሉ ተነግሮ። ሳኦል ከኣ፡ “መዓጹን ተገዳማትን ናብ ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓጽዩ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ኣሎ”*+ በለ። 8 ሳኦል ድማ ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰቡን ኪኸብብዎም ኢሉ፡ ኵሉ ህዝቢ ንውግእ ኣኽተተ። 9 ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝኣለመሉ ምስ ፈለጠ፡ ንኻህን ኣብያታር፡ “ኤፎድ ኣምጽእ” በሎ።+ 10 ዳዊት ከኣ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ሳኦል ናብ ቅዒላ መጺኡ ብሰረይ ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ ኸም ዝሓሰበ፡ ጊልያኻ ብርግጽ ሰሚዑ ኣሎ።+ 11 መራሕቲ* ቅዒላ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፎምዶ ኺህቡኒ እዮም፧ ሳኦልከ ኸምቲ ጊልያኻ ዝሰምዖ ኺወርድ ድዩ፧ ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ ንጊልያኻ ንገሮ” በለ። የሆዋ ድማ፡ “እወ ኺወርድ እዩ” በለ። 12 ዳዊት ከኣ፡ “መራሕቲ ቅዒላኸ ንዓይን ንሰበይን ኣብ ኢድ ሳኦል ኣሕሊፎምዶ ኺህቡና እዮም፧” ኢሉ ሓተተ። የሆዋ ድማ፡ “ኣሕሊፎም ኪህቡኻ እዮም” ኢሉ መለሰ። 13 ሽዑ፡ ዳዊትን እቶም ኣስታት 600 ሰቡን ተንሲኦም ካብ ቅዒላ ወጹ፡+ ኪኸድዎ ናብ ዚኽእሉ ዘበለ ድማ ከዱ። ንሳኦል ከኣ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዘምለጠ ምስ ተነግሮ፡ ደድሕሪኡ ኣይወጸን። 14 ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ፡ ንምብጻሑ ኣብ ዜጸግም ቦታታት፡ ኣብ ኣኽራን በረኻ ዚፍ ይቕመጥ ነበረ።+ ሳኦል ከኣ ኵሉ ሳዕ ይደልዮ ነበረ፣+ የሆዋ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሃቦን። 15 ዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ሖሬሽ ከሎ ድማ፡ ሳኦል ንህይወቱ* ኺደልያ ኸም ዝወጸ፡ ዳዊት ፈለጠ።* 16 ዮናታን ወዲ ሳኦል ከኣ ናብ ዳዊት ናብ ሖሬሽ ከደ፣ ብየሆዋ ኺብርትዕ ድማ ሓገዞ።*+ 17 “ኣቦይ ሳኦል ኣይኪረኽበካን እዩ፣ ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክትነግስ ኢኻ፡+ ኣነ እውን ካልኣይካ ክኸውን እየ፣ ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ እዩ እሞ፡+ ኣይትፍራህ” ከኣ በሎ። 18 ክልቲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዳን ተኣታተዉ፣+ ዳዊት ከኣ ኣብ ሖሬሽ ጸንሐ፣ ዮናታን ድማ ናብ ቤቱ ኸደ። 19 ሰብ ዚፍ ከኣ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ+ ደዪቦም ከምዚ በሉ፦ “ዳዊት ኣብ ጥቓና+ ኣብ ሖሬሽ+ ኣብቲ ንምብጻሑ ዜጸግም ቦታታት፡ ኣብታ ብደቡብ* የሺሞን*+ ዘላ ዅርባ ሓኪላ+ ተሓቢኡዶ የሎን፧ 20 ኦ ንጉስ፡ ኣብ ባህ ዝበለካ* ግዜ ውረድ፡ ንሕና ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍና ኽንህቦ ኢና።”+ 21 ሳኦል ከኣ ከምዚ በለ፦ “ራሕሪሕኩምለይ ኢኹም እሞ፡ ብየሆዋ ተባረኹ። 22 ንሱ ኣዝዩ ጐራሕ ከም ዝዀነ ተነጊሩኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኹም ኬድኩም ብልክዕ ኣበይ ከም ዘሎን መን ኣብኡ ኸም ዝረኣዮን ክትፈልጡ ፈትኑ። 23 ኵሉ መሕብኢታቱ ኣበይ ከም ዝዀነ ተጠንቂቕኩም ኣረጋግጹ፣ መርትዖ ሒዝኩም ከኣ ናባይ ተመለሱ። ሽዑ፡ ኣነ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ፣ ኣብታ ምድሪ እንተ ኣልዩ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣሽሓት* ይሁዳ ኽደልዮ እየ።” 24 ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ፣+ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣብ በረኻ ማዖን፡+ ኣብ ዓራባ+ ብደቡብ የሺሞን ነበሩ። 25 ሳኦል ከኣ ምስ ሰቡ ኺደልዮ መጸ።+ ንዳዊት ምስ ተነግሮ ድማ፡ ናብቲ ኸውሒ+ ወሪዱ፡ ኣብ በረኻ ማዖን ጸንሐ። ሳኦል ከኣ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዓበ። 26 ሳኦል ድማ ናብ ሓደ ሸነኽ እቲ ኸረን መጸ፣ ዳዊትን ሰቡን ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ኸረን ነበሩ። ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ኪሃድም ይቀላጠፍ ነበረ፣+ ሳኦልን ሰቡን ግና ንዳዊትን ንሰቡን ኪሕዝዎም ይቐርቡ ነበሩ።+ 27 ሽዑ ግና፡ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ “ፍልስጥኤማውያን ነዛ ምድሪ ወሪሮምዋ ኣለዉ እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ!” በሎ። 28 ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ምስዓብ ሓዲጉ፡+ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪገጥም ከደ። ስለዚ እያ እታ ቦታ እቲኣ ኸውሒ ኽፍፍል ተባሂላ እተሰምየት። 29 ዳዊት ከኣ ካብኡ ደዪቡ ንምብጻሑ ኣብ ዜጸግም ቦታታት ኣብ ዔን-ገዲ ተቐመጠ።+ 19 ሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ገላዉኡን፡ ንዳዊት ብዛዕባ ምቕታል ተዛረቦም።+ 2 ዮናታን ወዲ ሳኦል ንዳዊት ኣዝዩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡+ ዮናታን ንዳዊት ከምዚ ኢሉ ነገሮ፦ “ኣቦይ ሳኦል ኬቕትለካ ይደሊ ኣሎ። በጃኻ፡ ተጠንቀቕ፣ ንግሆ ድማ፡ ናብ ስቱር ቦታ ኼድካ ተሓባእ። 3 ኣነ ኸኣ ከይደ ኣብታ ንስኻ እትህልዋ ግራት፡ ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ክብል እየ። ብዛዕባኻ ድማ ንኣቦይ ክዛረቦ እየ፣ ገለ ነገር እንተ ፈሊጠ ኸኣ፡ ብርግጽ ክነግረካ እየ።”+ 4 ዮናታን ከኣ ንኣቦኡ ሳኦል፡ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረቦ።+ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ዳዊት ኣይበደለካን፡ ዝገበረልካ ነገር ድማ ጠቒሙካ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። 5 ህይወቱ ቐቢጹ* እዩ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲልዎ፣+ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ዓወት* ኣምጺኡ እዩ። ንስኻ እውን ነዚ ርኢኻስ ተሓጒስካ ኢኻ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታል ብንጹህ ደም እትሓጥእ፧”+ 6 ሳኦል ከኣ ንዮናታን ሰምዖ፣ ሳኦል ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንሱ ኣይኪቕተልን እዩ” ኢሉ መሓለ። 7 ድሕርዚ፡ ዮናታን ንዳዊት ጸውዖ እሞ እዚ ዅሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣምጽኦ፣ ንሱ ኸኣ ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።+ 8 ከም ብሓድሽ ድማ ውግእ ኰነ፣ ዳዊት ከኣ ወጺኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፡ ወቒዑ ድማ ብዙሓት ቀተለ፡ ካብ ቅድሚኡ እውን ሃደሙ። 9 ሳኦል ኲናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ካብ የሆዋ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊኡ መጸ፣+ ዳዊት ድማ መሰንቆ* ይወቅዕ ነበረ።+ 10 ሳኦል ከኣ በቲ ዂናት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ ፈተነ፣ ንሱ ግና ንሳኦል ኣስሓቶ እሞ፡ እቲ ዂናት ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ። ዳዊት ድማ ሃዲሙ በታ ለይቲ እቲኣ ኣምለጠ። 11 ሳኦል ከኣ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኪቐትልዎ፡ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ፣+ ሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግና፡ “ሎሚ ለይቲ እንተ ዘየምሊጥካ፡* ጽባሕ ክትመውት ኢኻ” ኢላ ነገረቶ። 12 ብኡብኡ፡ ሚካል ንዳዊት፡ ሃዲሙ ምእንቲ ኼምልጥ፡ ብመስኰት ኣውረደቶ። 13 ሚካል ከኣ ተራፊም* ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣንበረቶ፣ ኣብ ትርኣሱ ኸኣ መርበብ ጸጕሪ ጤል ገበረትሉ፡ ብኽዳን እውን ከደነቶ። 14 ሳኦል ድማ ንዳዊት ኬምጽእዎ ልኡኻት ሰደደ፣ ንሳ ግና፡ “ሓሚሙ ኣሎ” በለት። 15 ሽዑ፡ ሳኦል ንዳዊት ኪርእይዎ ልኡኻት ሰደደ፡ “ምእንቲ ክቐትሎስ፡ ብዓራቱ ጌርኩም ኣምጽኡለይ” ከኣ በሎም።+ 16 እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ ዓራት ተራፊም* ነበረ፣ ኣብቲ ትርኣሱ ኸኣ መርበብ ጸጕሪ ጤል ነበረ። 17 ሽዑ፡ ሳኦል ንሚካል፡ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርኪ ብምትላል ጸላእየይ ኬምልጥ ሰዲድክዮ፧” በላ።+ ሚካል ድማ ንሳኦል፡ “‘ክኸይድ ሕደግኒ፡ እንተ ዘይኰነስ ክቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” ኢላ መለሰትሉ። 18 ዳዊት ከኣ ሃዲሙ ኣምለጠ፡ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ ድማ መጸ።+ ኵሉ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ኸኣ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ናዮት ከይዶም ኣብኡ ጸንሑ።+ 19 ንሳኦል ከኣ፡ “እንሆ፡ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። 20 ብኡብኡ፡ ሳኦል ንዳዊት ኪሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ድማ ዓበይቲ እቶም ነብያት ኪንበዩ፡ ሳሙኤል ከኣ ደው ኢሉ ኺመርሖም ምስ ረኣዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሳኦል መጸ እሞ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ። 21 እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ፡ ብኡብኡ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ጕጅለ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ። 22 ሽዑ፡ ንሱ እውን ናብ ራማ ኸደ። ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ መዕቘር ማይ ምስ መጸ ድማ፡ “ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብቲ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ” ኢሎም መለሱሉ።+ 23 ሳኦል ካብኡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኪኸይድ ከሎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ እውን መጸ፣ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ ኪኸይድ ከሎ ከም ነብዪ ዀይኑ ነበረ። 24 ክዳውንቱ ቐንጢጡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ከም ነብዪ ዀነ፡ ምልእቲ እታ መዓልቲ እቲኣን ምልእቲ እታ ለይቲ እቲኣን ኣብኡ ጥራዩ* በጥ በለ። ስለዚ እዮም፡ “ሳኦል እውንዶ ምስ ነብያት እዩ፧” ዚብሉ።+ 20 ዳዊት ድማ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሃደመ። ግናኸ፡ ናብ ዮናታን መጺኡ፡ “ኣቦኻ ንህይወተይ* ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ እየ ገይረ፧+ ኣበሳይ እንታይ እዩ፧ እንታይከ እየ በዲለዮ፧” በለ። 2 ዮናታን ከኣ፡ “እዝስ ዘይሕሰብ እዩ!+ ኣይክትመውትን ኢኻ። እንሆ፡ ኣቦይ ንዓይ ከይነገረ ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ ነገር ኣይገብርን እዩ። ስለምንታይ እዩ እሞ ነዚ ነገር እዚ ዚሓብኣለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ” በሎ። 3 ዳዊት ግና መሊሱ፡ “ኣቦኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ ብርግጽ ይፈልጥ እዩ፣+ ስለዚ ድማ፡ ‘ዮናታን ከይጕህስ፡ ነዚ ኣይፍለጦ’ ይብል እዩ። ግናኸ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጕምቲ ጥራይ እያ ተሪፋ ዘላ” በሎ።+ 4 ሽዑ፡ ዮናታን ንዳዊት፡ “ዝበልካዮ* ዘበለ ኽገብረልካ እየ” በሎ። 5 ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ “ጽባሕ ሰርቂ ወርሒ እዩ፣+ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ብርግጽ ትጽቢት ይግበረለይ እዩ፣ ስደደኒ እሞ፡ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እየ። 6 ኣቦኻ እንተ ስኢኑኒ፡ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ዓመታዊ መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤት-ልሄም+ ቀልጢፉ ኪኸይድ ፍቓድ ክህቦ ለሚኑኒ’ በሎ።+ 7 ‘ደሓን’ እንተ ኢሉ፡ ንጊልያኻ ሰላም ማለት እዩ። እንተ ተቘጢዑ ግና፡ ኪጐድኣኒ ኸም ዝቘረጸ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ። 8 ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን የሆዋ ኣእቲኻዮ ኢኻ እሞ፡+ ንጊልያኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ።+ ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ባዕልኻ ቕተለኒ።+ ስለምንታይከ ናብ ኣቦኻ እተሕልፈኒ፧” በሎ። 9 ዮናታን ከኣ፡ “ብዛዕባኻ ኸምዚ ዚብልዎ ሓሳብሲ ዘይሕሰብ እዩ! ኣቦይ ኪጐድኣካ ኸም ዝቘረጸ እንተ ፈሊጠስ፡ ኣይነግረካንዶ፧” በሎ።+ 10 ዳዊት ድማ ንዮናታን፡ “ኣቦኻ ተሪር ነገር እንተ መሊሱልካ ደኣ፡ መን ኪነግረኒ እዩ፧” በሎ። 11 ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ “ንዓ ናብ መሮር ንውጻእ” በሎ። ክልቲኦም ድማ ናብ መሮር ወጹ። 12 ዮናታን ከኣ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ወይ ክሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ንኣቦይ ከም ዝምርምሮ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ምስክር እዩ። ንዳዊት ጽቡቕ ሓሳብ እንተ ኣልይዎስ፡ ልኢኸዶ ኣይነግረካን እየ፧ 13 ግናኸ፡ ኣቦይ ኪጐድኣካ እንተ ሓሲቡ እሞ፡ ንዓኻ ነጊረ ብሰላም እንተ ዘይሰዲደካ፡ የሆዋ ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚ እውን ይወስኮ። የሆዋ ድማ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበረ፡+ ምሳኻ ይኹን።+ 14 ብህይወት ከለኹ፡ ዋላ እውን ምስ ሞትኩስ፡ ከም የሆዋ ብተኣማንነት ከተፍቅረኒ ደይኰንካን፧+ 15 የሆዋ ንዅሎም ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ደምሰሰ እኳ፡ ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕሪ ኸቶ ኻብ ቤተይ ኣየቋርጽ።”+ 16 ዮናታን ድማ፡ “የሆዋ ይድለዮ፡ ንጸላእቲ ዳዊት ከኣ ተሓተትቲ ይግበሮም” ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን ኣተወ። 17 ንሱ ኸም ርእሱ* ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ዮናታን ንዳዊት ከም ብሓድሽ በቲ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ኣምሓሎ።+ 18 ዮናታን ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ሰርቂ ወርሒ እያ፣+ መንበርካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ። 19 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ብዝያዳ ኽትሰኣን ኢኻ፣ ናብታ ሓደ መዓልቲ* እተሓባእካላ ቦታ ኺድ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እዚ እምኒ ጽናሕ። 20 ኣነ ድማ ናብ ዕላማ ኸም ዝውርውር ኣምሲለ፡ ናብቲ ሓደ ጐድኑ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ። 21 ጊልያ ምስ ሰደድኩ፡ ‘ኪድ፡ ነቲ ፍላጻታት ርኸቦ’ ኽብሎ እየ። ነቲ ጊልያ፡ ‘እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ’ እንተ ኢለዮ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንዓኻ ሰላም ማለት እዩ፡ ዜስግእ እውን የልቦን እሞ፡ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። 22 ነቲ መንእሰይ፡ ‘እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ’ እንተ ኢለዮ ግና፡ ሽዑ የሆዋ ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ። 23 ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን ዝኣቶናዮ ቓል፡+ የሆዋ ንዘለኣለም ኣብ መንጎና ይኹን።”+ 24 ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሓብአ። ሰርቂ ወርሒ ምስ ኰነ፡ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።+ 25 ንጉስ ከኣ ከም ልማዱ ኣብታ ኣብ መንደቕ እተጸግዐት መንበሩ ተቐመጠ። ዮናታን ድማ ፊት ንፊቱ ነበረ፣ ኣብኔር+ ከኣ ኣብ ጐድኒ ሳኦል ተቐሚጡ ነበረ፣ ቦታ ዳዊት ግና ጥራያ ነበረት። 26 ሳኦል ድማ፡ ‘ገለ ዀይኑስ ኣይነጽሀን።+ እወ፡ ኣይነጽሀን ኪኸውን ኣለዎ’ ኢሉ ሓሲቡ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይበለን። 27 ጽባሕ እታ ሰርቂ ወርሒ፡ ማለት ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ እውን፡ ቦታ ዳዊት ጥራያ ነበረት። ሳኦል ከኣ ንወዱ ዮናታን፡ “ወዲ እሴይሲ+ ትማሊ ዀነ ሎሚ ናብ መኣዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧” በሎ። 28 ዮናታን ድማ ንሳኦል፡ “ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ፍቓድ ክህቦ ለሚኑኒ።+ 29 ‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ኣሎና፡ ሓወይ እውን ጸዊዑኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ ክኸይድ ፍቐደለይ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ምሉቝ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ’ ኢሉኒ። ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ” ኢሉ መለሰሉ። 30 ሳኦል ከኣ ብዮናታን ተቘጢዑ፡ “ኣታ ወዲ እታ ዓላዊት ገረድ፡ ንሕፍረትካን ንሕፍረት ኣዴኻን* ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሓረኻስ ዘይፈልጥ ድዩ መሲሉካ፧ 31 ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎ፡ ንስኻን ንግስናኻን ኣይክትጸንዑን ኢኹም።+ ሕጂ ድማ፡ ንሱ ኺመውት እዩ እሞ፡* ልኢኽካ ኣምጽኣለይ” በሎ።+ 32 ዮናታን ግና ንኣቦኡ ሳኦል፡ “ስለምንታይ እዩ ዚመውት፧+ እንታይከ ገይሩ፧” በሎ። 33 ሳኦል ድማ ኪወቕዖ ኢሉ ዂናት ወርወረሉ፣+ ሽዑ፡ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝቘረጸ ፈለጠ።+ 34 ዮናታን ከኣ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብቲ መኣዲ ተንስአ፣ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡+ ኣብታ ድሕሪ ሰርቂ ወርሒ ዘላ ኻልአይቲ መዓልቲ እንጌራ ኣይበልዐን። 35 ንግሆ ድማ፡ ዮናታን ናብቲ ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቘጸራ፡ ናብ መሮር ወጸ፣ መንእሰይ ጊልያ እውን ምስኡ ነበረ።+ 36 ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ “በጃኻ እስከ ጐዪኻ ነቲ ዝውርውሮ ፍላጻታት ርኸቦ” በሎ። እቲ ጊልያ ድማ ጐየየ፣ ዮናታን ከኣ ፍላጻ ኽንዮኡ ወርወረ። 37 እቲ ጊልያ ናብታ ዮናታን ዝወርወራ ፍላጻ ዘላትላ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ዮናታን ነቲ ጊልያ ጸዊዑ፡ “እቲ ፍላጻስ ክንየውካ ደይኰነን፧” በሎ። 38 ዮናታን ድማ ነቲ ጊልያ ተዳህዩ፡ “ተሎ! ቀልጥፍ! ኣይትደንጒ!” በሎ። እቲ ጊልያ ዮናታን ከኣ ነቲ ፍላጻታት ኣርዩ ናብ ጐይታኡ ተመልሰ። 39 ነቲ ነገር፡ ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ጊልያ ገለ እኳ ኣይፈለጠን። 40 ዮናታን ድማ ኣጽዋሩ ንጊልያኡ ሂቡ፡ “ኪድ፡ ናብ ከተማ ውሰዶ” በሎ። 41 እቲ ጊልያ ምስ ከደ፡ ዳዊት ካብ ጥቓኡ፡ ካብ ሸነኽ ደቡብ ተንስአ። ብገጹ ድማ ናብ ምድሪ ተደፊኡ፡ ሰለስተ ሳዕ ሰገደ፣ ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዓሙ፡ ብሓደ ድማ በኸዩ፣ ምናዳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ። 42 ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ “‘የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ንዘለኣለም ይኹን’+ ኢልና ኽልቴና ብስም የሆዋ ስለ እተማሓሓልና፡+ ብሰላም ኪድ” በሎ። ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ ኸደ፡ ዮናታን ድማ ናብ ከተማ ተመልሰ። 3 ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንየሆዋ የገልግሎ ነበረ፣+ በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡ ቃል የሆዋ ውሒዱ ነበረ፣ ራእያት+ እውን ብዙሕ ኣይነበረን። 2 ሓደ መዓልቲ፡ ኤሊ ኣብ ቦታኡ ደቂሱ ነበረ፣ ኣዒንቱ ኸኣ ሓሚቐን ነበራ፣ ኪርኢ እውን ኣይክእልን ነበረ።+ 3 መብራህቲ ኣምላኽ+ ድማ ገና ኣይጠፍአን ነበረ፣ ሳሙኤል እውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ*+ የሆዋ ደቂሱ ነበረ። 4 የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ” ኢሉ መለሰ። 5 ናብ ኤሊ ጐይዩ ድማ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ። ንሱ ግና፡ “ኣይጸዋዕኩን። መሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከይዱ ደቀሰ። 6 የሆዋ ድማ መሊሱ፡ “ሳሙኤል” ኢሉ ጸውዐ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ። ንሱ ግና፡ “ወደየ፡ ኣነስ ኣይጸዋዕኩን። መሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። 7 (ሳሙኤል ድማ ንየሆዋ ገና ኣይፈለጦን ነበረ፣ ቃል የሆዋ እውን ገና ኣይተገልጸሉን ነበረ።)+ 8 የሆዋ ኸኣ መሊሱ ሳልሳይ ሳዕ፡ “ሳሙኤል” ኢሉ ጸውዐ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ። ኤሊ ድማ ነቲ ቘልዓ ዚጽውዖ ዝነበረ የሆዋ ምዃኑ ኣስተውዓለ። 9 ኤሊ ኸኣ ንሳሙኤል፡ “ኪድ ደቅስ፣ እንተ ጸዊዑካ ድማ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ’ በል” በሎ። ሳሙኤል ከኣ ከይዱ ኣብታ ቦታኡ ደቀሰ። 10 የሆዋ ድማ መጺኡ ኣብኡ ደው በለ፣ ከምቲ ኻልእ ግዜያት ከኣ፡ “ሳሙኤል፡ ሳሙኤል” ኢሉ ጸውዐ። ሳሙኤል ድማ፡ “ጊልያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ” በለ። 11 የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል ከምዚ በሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ንዚሰምዖ ዘበለ ኽልቲአን ኣእዛኑ ጸላዕላዕ ዜብል ነገር ክገብር እየ።+ 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ቤት ኤሊ እተዛረብክዎ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብ ልዕሊኡ ኽፍጽሞ እየ።+ 13 ደቁ ንኣምላኽ ይረግሙ+ ኸም ዘለዉ እናፈለጠስ፡+ ብዘይምግናሑ+ ስሕተት ስለ ዝገበረ፡ ኣብ ቤቱ ናይ ሓዋሩ ፍርዲ ኸም ዘምጽእ ንገሮ። 14 ስለዚ እየ ስሕተት ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ወይ ብመባእ ከቶ ኸም ዘይዕረቕ ብዛዕባ ቤት ኤሊ ዝመሓልኩ።”+ 15 ሳሙኤል ድማ ክሳዕ ዚነግህ ደቂሱ፡ መዓጹ ቤት የሆዋ ኸፈተ። ሳሙኤል ንኤሊ ብዛዕባ እቲ ራእይ ከይነግሮ ፈርሀ። 16 ኤሊ ግና ንሳሙኤል፡ “ሳሙኤል ወደይ” ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ” በለ። 17 ንሱ ድማ፡ “እንታይ መልእኽቲ ተዛሪቡካ፧ በጃኻ፡ ካባይ ኣይትሕብኣዮ። ካብ ኵሉ እቲ እተዛረበካ ሓንቲ ቓል እኳ እንተ ሓቢእካለይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፡ ከምዚ ድማ ይወስኸሉ” በሎ። 18 ሽዑ፡ ሳሙኤል ኵሉ ነገሮ፡ ካብኡ እውን ገለ ኣይሓብአን። ኤሊ ኸኣ፡ “ንሱ የሆዋ እዩ። ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ ይግበር” በለ። 19 ሳሙኤል ድማ ይዓቢ ነበረ፣ የሆዋ ኸኣ ምስኡ ነበረ፣+ ካብ ኵሉ እቲ ቓሉ ድማ ገለ እኳ ናብ ምድሪ ኣየውደቐን። 20 ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ፡ ሳሙኤል ብርግጽ ነብዪ የሆዋ ምዃኑ ፈለጠ። 21 የሆዋ ድማ ንሳሙኤል ብቓል የሆዋ ኣብ ሺሎ ይግለጸሉ ነበረ እሞ፡ የሆዋ ኣብ ሺሎ ይርኣዮ ነበረ።+ 24 ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስጓጕ ምስ ተመልሰ፡ “እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔን-ገዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።+ "2 ሳኦል ድማ ካብ ኵሉ እስራኤል እተሓርዩ 3,000 ሰብኡት ወሲዱ፡ ንዳዊትን ንሰቡን ኪደልዮም ናብ ኣጻድፍ ኣኻውሕ ወይጠል ከደ።" 3 ሳኦል ናብቲ ጥቓ መገዲ ዘሎ ደምበታት ኣባጊዕ መጸ፣ ኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ። ንሱ ኸኣ ጾር ኬፋዅስ* ኣተወ፣ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።+ 4 ሽዑ፡ ንዳዊት እቶም ሰቡ፡ “እታ የሆዋ፡ ‘እንሆ፡ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ እህበካ ኣለኹ፡+ ጽቡቕ ዝመሰለካ ዘበለ ድማ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ’ ዝበለካ መዓልቲ፡ እዚኣ እያ” በልዎ። ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ኸይዱ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ሳኦል ቈረጸ። 5 ግናኸ፡ ዳዊት ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ድሕሪኡ ልቡ* ወቕዖ።+ 6 ነቶም ሰቡ ድማ፡ “ንሱ ቕቡእ የሆዋ እዩ እሞ፡ ኢደይ ኣንጻሩ ብምልዓል፡ ንጐይታይ ቅቡእ የሆዋ እዚ ኽገብሮስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ” በሎም።+ 7 ዳዊት ከኣ በዘን ቃላት እዚአን ንሰቡ ዓገቶም፡* ንሳኦል ኬጥቅዕዎ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓቲ ተንሲኡ ኸደ። 8 ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ፡ ካብቲ በዓቲ ወጸ፡ ደድሕሪ ሳኦል ድማ፡ “ጐይታይ ንጉስ” ኢሉ ጸውዐ።+ ሳኦል ከኣ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ፣ ዳዊት ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ። 9 ዳዊት ከኣ ንሳኦል ከምዚ በሎ፦ “ዘረባ እቶም፡ ‘እንሆ፡ ዳዊት ኪጐድኣካ ይደሊ ኣሎ’ ዚብሉኻ ሰባት ስለምንታይ እትሰምዕ፧+ 10 በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብቲ በዓቲ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ኸም ዝነበረ ኣዒንትኻ ርእየን እየን። ሓደ ድማ ክቐትለካ ምስ ተዛረበኒ፡+ ኣነ ደንጊጸልካስ፡ ‘ንሱ ቕቡእ የሆዋ እዩ እሞ፡ ኢደይ ኣንጻር ጐይታይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ።+ 11 ኣቦየ፡ ርአ፣ እወ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሽካ ክቘርጽ ከለኹ ኣይቀተልኩኻን እሞ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሽካ ኣብ ኢደይ ርአ። ክጐድኣካ ወይ ክዓሉ ኸም ዘይሓስብ ክትፈልጥን ክትርእን ትኽእል ኢኻ፣ ንስኻ ህይወተይ* ከተጥፍእ እናሃደንካኒ ኽነስኻስ፡+ ኣነ ኣይበደልኩኻን።+ 12 የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፣+ የሆዋ ኸኣ ንዓኻ ሕነ ይፍደየለይ፣+ ኢደይ ግና ኣንጻርካ ኣይክትከውንን እያ።+ 13 ከምቲ ምስላ ቐዳሞት ዚብሎ፡ ‘ካብ እኩይ እከይ ይወጽእ፡’ ኢደይ ግና ኣንጻርካ ኣይክትከውንን እያ። 14 ንጉስ እስራኤልከ ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ፧ ንመንከ ኢኻ እትሰጕጎ ዘለኻ፧ ንምዉት ከልቢ፧ ንሓደ ቝንጪ፧+ 15 የሆዋ ዳኛ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፣ ንሱ ንጕዳየይ ይርኣየለይን ይማጐተለይን+ ይፍረደለይን፡ ካብ ኢድካ እውን የናግፈኒ።” 16 ዳዊት ነዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ሳኦል፡ “እዚ ድምጽኻ ድዩ፡ ዳዊት ወደይ፧” በለ።+ ሳኦል ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ። 17 ንዳዊት ድማ ከምዚ በሎ፦ “ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ክፉእ ፈድየካ እየ እሞ፡ ካባይሲ ንስኻ ትጸድቕ።+ 18 እወ፡ የሆዋ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ምስ ሃበኒ ብዘይምቕታልካ፡ ዝገበርካለይ ጽቡቕ ሎሚ ነጊርካኒ ኢኻ።+ 19 ንጸላኢኡ ረኺቡ፡ ከይጐድአ ዚሰድዶ ሰብዶ ኣሎ፧ ስለቲ ሎሚ ዝገበርካለይ፡ የሆዋ ጽቡቕ ይፍደኻ።+ 20 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻ ብርግጽ ክትነግስ ምዃንካ፡ መንግስቲ እስራኤል እውን ኣብ ኢድካ ኸም እትጸንዕ እፈልጥ እየ።+ 21 ሕጂ ኸኣ፡ ድሕረይ ንዘርአይ ከይትድምስሶን ስመይ ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍእን፡+ ብየሆዋ ምሓለለይ።”+ 22 ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ፣ ድሕርዚ፡ ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደ።+ ዳዊትን ሰቡን ግና፡ ናብ ዕርዲ ኸዱ።+ 7 ሰብ ቂርያት-የዓሪም ድማ መጺኦም ንታቦት የሆዋ ናብታ ኣብ ኵርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ+ ኣደየብዎ፣ ንኣልኣዛር ወዱ ኸኣ ታቦት የሆዋ ኺሕሉ ቐደስዎ። 2 ካብቲ እቲ ታቦት ናብ ቂርያት-የዓሪም ዝመጸሉ መዓልቲ፡ ነዊሕ ግዜ፡ ኵሉዅሉ 20 ዓመት ሓለፈ፣ ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ንየሆዋ ይደልይዎ* ነበሩ።+ 3 ሳሙኤል ከኣ ንዅሎም ቤት እስራኤል፡ “ብዅሉ ልብኹም ናብ የሆዋ ትምለሱ እንተ ኣሊኹም፡+ ጓኖት ኣማልኽትን+ ምስልታት ኣሽቶረትን+ ካብ መንጎኹም ኣርሕቑ፣ ልብኹም ከኣ ብጽኑዕ ናብ የሆዋ ኣቕንዑ፡ ንዕኡ ጥራይ እውን ኣገልግሉ፣+ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬናግፈኩም እዩ”+ በሎም። 4 ሽዑ፡ እስራኤላውያን ንበዓላትን ንምስልታት ኣሽቶረትን ኣርሒቖም፡ ንየሆዋ ጥራይ ኣገልገሉ።+ 5 ሳሙኤል ከኣ፡ “ንዅሉ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኣክቡ፣+ ንየሆዋ ድማ ምእንታኹም ክልምኖ እየ” በለ።+ 6 ሽዑ፡ ኣብ ሚጽጳ ተኣከቡ፣ ማይ ቀዲሖም ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣፍሰስዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እውን ጾሙ።+ ኣብኡ ድማ፡ “ንየሆዋ በዲልናዮ ኢና” በሉ።+ ሳሙኤል ከኣ ንእስራኤላውያን ኣብ ሚጽጳ ፈራዲ ዀኖም።+ 7 ፍልስጥኤማውያን ድማ እስራኤላውያን ኣብ ሚጽጳ ኸም እተኣከቡ ምስ ሰምዑ፡ እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን+ ኣንጻር እስራኤል ደየቡ። እስራኤላውያን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሰሪ ፍልስጥኤማውያን ፈርሁ። 8 እስራኤላውያን ከኣ ንሳሙኤል፡ “ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነናስ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ምምህላል ኣይተቋርጽ” በልዎ።+ 9 ሳሙኤል ድማ ሓደ ዚጠቡ ዕየት ወሲዱ፡ ምሉእ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ንየሆዋ ኣቕረበሉ።+ ሳሙኤል ከኣ ምእንቲ እስራኤል ናብ የሆዋ ተማህለለ፣ የሆዋ ድማ መለሰሉ።+ 10 ሳሙኤል ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርቦ ኸሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ቐረቡ። የሆዋ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጐደ+ እሞ ኣሸበሮም፣+ ንሳቶም ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ።+ 11 ሽዑ፡ ሰብ እስራኤል ካብ ሚጽጳ ወጺኦም ንፍልስጥኤማውያን ሰጐጕዎም፡ ክሳብ ደቡብ ቤት-ካር ከኣ ወቕዕዎም። 12 ሳሙኤል ድማ ሓደ እምኒ ወሲዱ፡+ ኣብ መንጎ ሚጽጳን የሻናን ኣንበሮ፣ “የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ረድኣና”+ ኢሉ ኸኣ፡ ኤብንዔዘር* ኢሉ ሰመዮ። 13 በዚ ኸምዚ፡ ፍልስጥኤማውያን ተምበርከኹ፣ መሊሶም ድማ ናብ ሃገር እስራኤል ኣይመጹን፣+ ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ከኣ፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻር ፍልስጥኤማውያን ነበረት።+ 14 እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፡ ካብ ዔቅሮን ክሳብ ጋት፡ ናብ እስራኤል ተመልሳ፣ እስራኤል ከኣ ሃገሩ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣምለሰ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን+ ድማ ሰላም ነበረ። 15 ሳሙኤል ከኣ ምሉእ ህይወቱ ንእስራኤል ፈረደ።+ 16 ዓመት ዓመት ናብ ቤት-ኤልን+ ጊልጋልን+ ሚጽጳን+ ብዙር ይጕዓዝ ነበረ፣ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚአን ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። 17 ቤቱ ኣብ ራማ+ ስለ ዝነበረት ግና፡ ናብኣ ይምለስ ነበረ፣ ኣብኣ እውን ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ።+ 12 ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እስራኤል ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ ኵሉ እቲ ዝሓተትኩምኒ ገይረልኩም እየ፣* ኣብ ልዕሌኹም ከኣ ንጉስ ኣንጊሰልኩም እየ።+ 2 ሕጂ ድማ፡ እቲ ዚመርሓኩም* ንጉስ እንሆ!+ ኣነ ኸኣ ኣሪገን ሸዪበን እየ፡ ደቀይ ድማ እነዉ ምሳኻትኩም ኣለዉ፣+ ኣነ ኸኣ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ መሪሐኩም እየ።+ 3 እነኹ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ቕቡኡን ብዛዕባይ መስክሩ፦+ ብዕራይ መን ወይ ኣድጊ መን ወሲደ፧+ ወይስ ንመን ዓሚጸ ወይ ጨፍሊቐ፧ ከም ዘይረኣኹ ክኸውንከ ኻብ ኢድ መን ጉቦ ተቐቢለ፧+ ከምኡ እንተ ገይረ፡ ክመልሰልኩም እየ።”+ 4 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይዓመጽካናን፡ ወይ ኣይጨፍለቕካናን፡ ወይ ካብ ኢድ ዝዀነ ሰብ ገለ እኳ ኣይተቐበልካን” በልዎ። 5 ንሱ ድማ፡ “ዋላ ሓደ መኽሰሲ ኸም ዘይረኸብኩምለይ፡* በዛ መዓልቲ እዚኣ የሆዋ ምስክር እዩ፡ እቲ ቕቡኡ እውን ምስክር እዩ” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ምስክር እዩ” በሉ። 6 ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “እቲ ብሙሴን ብኣሮንን ገይሩ ንኣቦታትና ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም የሆዋ+ ምስክር እዩ። 7 ሕጂ ድማ፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝገበሮ ግብርታት ጽድቂ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፋረደኩምሲ፡ ደው በሉ። 8 “ያእቆብ ናብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡+ ኣቦታትኩም ድማ ናብ የሆዋ ምስ ተማህለሉ፡+ የሆዋ፡ ንኣቦታትኩም ካብ ግብጺ ኼውጽእዎምን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኬቐምጥዎምን ኢሉ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ሰደደሎም።+ 9 ንሳቶም ግና ንየሆዋ ኣምላኾም ረስዕዎ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢድ ሲሰራ+ ሓለቓ ሰራዊት ሓጾርን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን+ ኣብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን+ ሸጦም፡+ ንሳቶም እውን ተዋግእዎም። 10 ሽዑ፡ ንሳቶም፡ ‘ንየሆዋ ሓዲግናስ ንበዓላትን+ ንምስልታት ኣሽቶረትን ኣገልጊልና ኢና እሞ፡+ በዲልና ኢና፣+ ሕጂ ድማ ምእንቲ ኸነገልግለካ፡ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣናግፈና’ ኢሎም ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+ 11 የሆዋ ኸኣ ብደሓን ምእንቲ ኽትቅመጡ፡+ ንየሩብበዓልን+ ንበዳንን ንይፍታሕን+ ንሳሙኤልን+ ሰዲዱ፡ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ጸላእትኹም ኣናገፈኩም። 12 ናሓሽ+ ንጉስ ዓሞናውያን ከም ዝመጸኩም ምስ ረኣኹም ድማ፡ የሆዋ ኣምላኽኩም ንጉስኩም ክነሱስ፡+ ‘ኣይፋልን፡ ኣብ ልዕሌና ንጉስ ኪነግሰና ቘሪጽና ኢና’ በልኩምኒ።+ 13 ሕጂ ኸኣ እቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ፡ እቲ ዝለመንኩምሉ እንሆ። እንሆ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንጊሱ ኣሎ።+ 14 ንየሆዋ እንተ ፈሪህኩምዎን+ እንተ ኣገልጊልኩምዎን+ ድምጹ እንተ ተኣዚዝኩምን፡+ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ እንተ ዘይዓሊኹም፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስን ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩም፡ ጽቡቕ። 15 ግናኸ፡ ድምጺ የሆዋ እንተ ዘይተኣዚዝኩም፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ እንተ ዓሊኹም፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻርኩምን ኣንጻር ኣቦታትኩምን ክትከውን እያ።+ 16 ሕጂ ድማ፡ ደው በሉ እሞ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዚገብሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ። 17 ሎምስ ግዜ ዓጺድ ስርናይ ደይኰነን፧ ነጕድን ዝናምን ኪኸውን ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ፣ ሽዑ፡ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸመይ ዝበለ ኽፍኣት ከም ዝገበርኩም ክትፈልጡን ክትርእዩን ኢኹም።”+ 18 ሽዑ፡ ሳሙኤል ናብ የሆዋ ተማህለለ፣ የሆዋ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጕድን ዝናምን ገበረ፣ ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ንየሆዋን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርህዎም። 19 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሳሙኤል፡ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትና፡ ንጉስ ብምልማንና ኻልእ ክፍኣት ወሲኽና ኢና እሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ምእንቲ ገላዉኻ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ጸልየልና” በልዎ።+ 20 ሳሙኤል ከኣ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “ኣይትፍርሁ። እዚ ዅሉ ኽፉእ እዝስ ጌርኩም ኢኹም። ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ጥራይ ኣይተላግሱ፣+ ንየሆዋ ድማ ብዅሉ ልብኹም ኣገልግልዎ።+ 21 እቶም ዘይጠቕሙን+ ዘየናግፉን ከንቱታት፡ ከንቱ ስለ ዝዀኑ፡+ ንዓታቶም ንምስዓብ ኣይተላግሱ። 22 የሆዋ ፈትዩ ህዝቡ ገይሩኩም እዩ እሞ፡+ የሆዋ ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ+ ንህዝቡ ኣይሓድጎን እዩ።+ 23 ኣነ ምእንታኹም ምጽላይ ብምሕዳግ ንየሆዋ ኽብድልሲ ኣባይ ዘይሕሰብ እዩ፣ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ ኸኣ ክምህረኩም እየ። 24 ንየሆዋ ጥራይ ፍርህዎ፡+ ብዅሉ ልብኹም ከኣ ብተኣማንነት* ኣገልግልዎ፣ እቲ ንዓኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር እሞ ርኣዩ።+ 25 ብንቕጽና ኽፉእ እንተ ጌርኩም ግና፡ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትኵስተሩ ኢኹም።”+ 1 ካብ ራማታይም-ጾፊም፡*+ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም፡+ ኤልቃና+ ዝስሙ ወዲ የሮሓም፡ ወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ ዝዀነ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። 2 ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፣ ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልአይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉዳት ነበርዋ፣ ሃና ግና ውሉዳት ኣይነበርዋን። 3 እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሺሎ ኼምልኽን* ኪስውእን ኢሉ ዓመት ዓመት ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ።+ ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን፡+ ካህናት ኰይኖም ንየሆዋ የገልግልዎ ነበሩ።+ 4 ሓደ መዓልቲ ኤልቃና መስዋእቲ ምስ ሰውአ፡ ንሰበይቱ ጵኒናን ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሃቦም፣+ 5 ንሃና ግና የፍቅራ ስለ ዝነበረ፡ ንሃና ፍሉይ ግደ ሃባ። ግናኸ፡ የሆዋ ውሉዳት ኣይሃባን* ነበረ። 6 የሆዋ ውሉዳት ስለ ዘይሃባ ኸኣ፡ እታ መቐናቕንታ ሰበይቲ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። 7 ዓመት ዓመት ከምኡ ትገብር ነበረት፣ በታ ሃና ናብ ቤት የሆዋ እትድይበላ ግዜ፡+ መቐናቕንታ ኣዝያ ተባጭወላ ብምንባራ፡ ትበኪ ነበረት፡ ኣይትበልዕን እውን ነበረት። 8 ሰብኣያ ኤልቃና ግና፡ “ሃና፡ ስለምንታይ ኢኺ እትበኽዪ፧ ስለምንታይ ኢኺ ዘይትበልዒ፧ ስለምንታይከ ኢኺ ኣመና እትጕህዪ፧* ካብ ዓሰርተ ኣወዳት፡ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧” በላ። 9 ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንስአት። ሽዑ፡ ካህን ኤሊ ኣብ ጥቓ ልዳት መቕደስ*+ የሆዋ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ። 10 ሃና ኸኣ ኣመና ተመሪራ፡* ናብ የሆዋ ትጽልን+ ብዙሕ ትበክን ነበረት። 11 “ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ጸበባ ገረድካ እንተ ርኢኻን እንተ ዘኪርካንን፡ ንገረድካ እውን እንተ ዘይረሲዕካያን ንገረድካ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ሂብካያን፡+ ኣነ ኸኣ ብዅለን መዓልትታት ህይወቱ፡ ንየሆዋ ኽህቦ እየ፣ መላጸ እውን ንርእሱ ኣይኪትንክዮን እዩ” ኢላ ድማ ተመባጽዐት።+ 12 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ነዊሕ ኽትጽሊ ኸላ፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። 13 ሃና ኸኣ ብልባ ትዛረብ ነበረት፣ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ እምበር፡ ድምጻ ኣይስማዕን ነበረ። ኤሊ ድማ ዝሰኸረት መሰሎ። 14 ኤሊ ኸኣ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኺ ኽትሰኽሪ፧ ወይኒ ምስታይ ይእኸልኪ” በላ። 15 ሃና ድማ፡ “ኣይፋልን ጐይታይ! ኣነስ ብርቱዕ ጸቕጢ ዘሎኒ* ሰበይቲ እየ፣ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰተኹን፣ ነፍሰይ* ደኣ እየ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘፍስስ ዘለኹ።+ 16 ክሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝሒ ጓህን ጭንቅን እዩ እሞ፡ ንገረድካ ኸም ዘይትጠቅም ሰበይቲ ጌርካ ኣይትርኣያ” ኢላ መለሰትሉ። 17 ኤሊ ኸኣ፡ “ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ድማ እቲ ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሃብኪ” ኢሉ መለሰላ።+ 18 ንሳ ኸኣ፡ “ገረድካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ትርከብ” በለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዐት ከኣ፡ ደጊም እውን ጓሂ ኣብ ገጻ ኣይተራእየን። 19 ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰገዱ፣ ድሕሪኡ፡ ናብታ ኣብ ራማ ዘላ ቤቶም ተመልሱ።+ ኤልቃና ኸኣ ምስ ሰበይቱ ሃና ጾታዊ ርክብ ገበረ፡ የሆዋ ድማ ቈላሕታ ገበረላ።*+ 20 ኣብ ውሽጢ ዓመት* ከኣ፡ ሃና ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ካብ የሆዋ እየ ለሚነዮ” ኢላ ድማ፡ ሳሙኤል* ኢላ ሰመየቶ።+ 21 ኤልቃና ኸኣ ምስ ኵሉ ቤተ ሰቡ ንየሆዋ ዓመታዊ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መብጽዓን ኪስውእ ደየበ።+ 22 ሃና ግና ንሰብኣያ፡ “እዚ ሕጻን ጡብ ምስ ሓደገ፡ ከምጽኦ እየ፣ ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺርአ፡ ንሓዋሩ ድማ ኣብኡ ኺነብር እዩ”+ በለቶ እምበር፡ ኣይደየበትን።+ 23 ኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ “ጽቡቕ ዝመሰለኪ* ግበሪ። ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ። የሆዋ ደኣ እቲ ዝበልክዮ ይፈጽም” በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፣ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። 24 ጡብ ምስ ኣሕደገቶ፡ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ* ሓርጭን ሓደ ገንኢ ወይንን ተማሊኣ+ ናብ ሺሎ ኣደየበቶ፣ ነቲ ወዳ ምስኣ ወሲዳ ኸኣ ናብታ ኣብ ሺሎ ዘላ ቤት የሆዋ መጸት።+ 25 ነቲ ዝራብዕ ሓሪዶም ድማ፡ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ። 26 ንሳ ኸኣ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር ጐይታይ፡ ከምቲ ህያው ዝዀንካ፡* ጐይታይ፡ ኣነ እታ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ምሳኻ ደው ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ እየ።+ 27 ብዛዕባ እዚ ቘልዓ እዚ እየ ጸልየ፣ የሆዋ ድማ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ።+ 28 ኣነ ድማ ንየሆዋ እውፍዮ ኣለኹ። ምሉእ ዕድሚኡ ንየሆዋ ተወፍዩ እዩ” በለት። ንሱ* ኸኣ ኣብኡ ንየሆዋ ሰገደ። 29 ፍልስጥኤማውያን+ ድማ ኵሉ ሰራዊቶም ኣብ ኣፌቅ ኣኽተቱ፣ እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ይዝርኤል+ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ። 2 እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኰይኖም ይሓልፉ ነበሩ፣ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ምስ ኣኪሽ ብድሕሪት ይጕዓዙ ነበሩ።+ 3 መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና፡ “እዞም እብራውያን እዚኦም ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧” በሉ። ኣኪሽ ድማ ንመሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን፡ “እዚ ምሳይ ዝያዳ ዓመት ዝገበረ ዳዊት ጊልያ ሳኦል ንጉስ እስራኤል እዩ።+ ካብታ ኸዲዑ ናባይ ዝመጸላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዋላ ሓንቲ ጕድለት ኣይረኸብኩሉን” ኢሉ መለሰሎም። 4 እቶም መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና ተቘጥዕዎ፡ “ነዚ ሰብኣይ ምለሶ።+ ናብታ ዝመደብካሉ ቦታ ይመለስ። ኣብ ውግእ ኣንጻርና ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይውረድ።+ ሞገስ ጐይታኡ ንምርካብ፡ ካብ ኣራእስ ሰብና ዝሓሸ እንታይ መገዲ ኣለዎ፧ 5 እዝስ እቲ እናሳዕስዓ፡ ‘ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ’ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊት ደይኰነን፧” ድማ በልዎ።+ 6 ኣኪሽ+ ከኣ ንዳዊት ጸዊዑ፡ “ካብታ ናባይ ዝመጻእካላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዋላ ሓንቲ ጕድለት ኣይረኸብኩልካን እሞ፡+ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንስኻ ቕኑዕ ኢኻ፡ ኣነ እውን ኣብ ወፈራ ምስ ሰራዊተይ ምኻድካ ባህ ይብለኒ እዩ።+ እዞም ጐይተት ግና ኣይኣመኑኻን።+ 7 እምበኣር፡ ብሰላም ተመለስ፡ ንጐይተት ፍልስጥኤማውያን ዜጕሂ ድማ ገለ እኳ ኣይትግበር” በሎ። 8 ዳዊት ግና ንኣኪሽ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ እየ ገይረ፧ ምሳኻ ኸይደ ምስ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘይዋጋእሲ፡ ካብታ ናባኻ ዝመጻእኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ እንታይ ጕድለት ረኺብካለይ፧” በሎ። 9 ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ “ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ ኣምላኽ ጽቡቕ ኢኻ።+ እዞም መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና፡ ‘ናብ ውግእ ምሳና ኣይደይብ’ ኢሎም ኣለዉ። 10 ሕጂ ድማ፡ ምስቶም ምሳኻ ዝመጹ ገላዉ ጐይታኻ ኣንጊህካ ተንስእ፣ ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ ምስ በርሃልኩም ኪዱ” በሎ። 11 ዳዊትን ሰቡን ድማ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኪምለሱ ኣንጊሆም ተንስኡ፣ እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ይዝርኤል ደየቡ።+ 28 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ።+ ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ናብ ውግእ ከም እትወጹ መሸም ብርግጽ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ።+ 2 ዳዊት ከኣ ንኣኪሽ፡ “እቲ ጊልያኻ ዚገብሮ ብርግጽ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ “ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ሓላው ርእሰይ ክገብረካ እየ” በሎ።+ 3 ሳሙኤል ከኣ ሞይቱ ነበረ፣ ኵሎም እስራኤል ድማ ሓዚኖምሉን ኣብ ራማ ኣብታ ኸተማኡ ቐቢሮምዎን ነበሩ።+ ሳኦል ከኣ ንጠየቕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ካብታ ሃገር ኣወጊድዎም ነበረ።+ 4 ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣኽቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹነም+ ሰፈሩ። ሳኦል ከኣ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፣ ኣብ ጊልቦዓ ድማ ሰፈሩ።+ 5 ሳኦል ከኣ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣዮ፡ ፈርሀ፡ ልቡ እውን ኣዝዩ ራዕራዕ በለ።+ 6 ሳኦል ንየሆዋ እኳ እንተ ሓተቶ፡+ የሆዋ ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብኡሪም+ ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን። 7 ሽዑ፡ ሳኦል ንገላዉኡ፡ “ጠያቒት መናፍስቲ ዝዀነት ሰበይቲ ርኸቡለይ፣+ ኣነ ድማ ከይደ ምኽሪ ኽሓትታ እየ” በሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣብ ዔን-ዶር+ ጠያቒት መናፍስቲ ዝዀነት ሰበይቲ ኣላ” ኢሎም መለሱሉ። 8 ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፡ ምስ ክልተ ኻብ ሰቡ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ ኸደ። “መናፍስቲ ብምጥያቕ፡ በጃኺ ጠንቍልለይ፣+ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይ” ድማ በላ። 9 እታ ሰበይቲ ግና፡ “እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ካብዛ ሃገር ከም ዘወገዶም፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።+ ስለምንታይ ደኣ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧”* በለቶ።+ 10 ሳኦል ከኣ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ በዚ ነገር እዚ በዳሊት ኣይክትኰንን ኢኺ” ኢሉ ብየሆዋ መሓለላ። 11 ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ፡ “ንመን ከተንስኣልካ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ንሳሙኤል ኣተንስእለይ” በላ። 12 እታ ሰበይቲ “ንሳሙኤል”* ምስ ረኣየቶ፡+ ዓው ኢላ ጨደረት እሞ ንሳኦል፡ “ስለምንታይ ኣታሊልካኒ፧ ንስኻ ሳኦል ኢኻ!” በለቶ። 13 ንጉስ ድማ፡ “ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣለኺ፧” በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ከም ኣምላኽ ዚመስል ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ ኣለኹ” ኢላ መለሰትሉ። 14 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ትርኢቱኸ ኸመይ ይመስል፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ እተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወጽእ ኣሎ” በለት።+ ሽዑ፡ ሳኦል፡ ንሱ “ሳሙኤል” ምዃኑ ፈለጠ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ እውን ሰገደ። 15 “ሳሙኤል” ከኣ ንሳኦል፡ “ስለምንታይ ኣተንሲእካ እትርብሸኒ፧” በሎ። ሳኦል ድማ፡ “ኣብ ብርቱዕ ጭንቂ እየ ዘለኹ። ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፣ ኣምላኽ ከኣ ርሒቑኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይምልሰለይን እዩ ዘሎ።+ ስለዚ እየ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ዝጽውዓካ ዘለኹ” ኢሉ መለሰሉ።+ 16 “ሳሙኤል” ድማ ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኻብ ረሓቐካ፡+ ተጻራሪኻ እውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትሓትተኒ፧ 17 የሆዋ ኸምቲ ብኣይ እተዛረቦ ኺገብር እዩ፦ የሆዋ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ዳዊት ኪህቦ እዩ።+ 18 ድምጺ የሆዋ ስለ ዘይተኣዘዝካን እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኣብ ኣማሌቃውያን ስለ ዘይፈጸምካዮን፡+ ስለዚ እዩ የሆዋ በዛ መዓልቲ እዚኣ እዚ ዚገብረካ ዘሎ። 19 የሆዋ ኸኣ ንእስራኤልን ንዓኻን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን+ ኪህበኩም እዩ፣ ጽባሕ ድማ ንስኻን+ ደቅኻን+ ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። የሆዋ ኸኣ ንሰራዊት እስራኤል ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኪህቦም እዩ።”+ 20 ሽዑ፡ ሳኦል ብምሉእ ቍመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ፡ ብዘረባ “ሳሙኤል” ድማ እምብዛ ፈርሀ። ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ምግቢ ኣይበልዐን ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን። 21 እታ ሰበይቲ ናብ ሳኦል ምስ መጸትን ኣመና ኸም እተረበሸ ምስ ረኣየትን ከኣ፡ “እንሆ፡ ገረድካ ዝበልካኒ ተኣዚዘ፡ ህይወተይ ቀቢጸ*+ ድማ ዝበልካኒ ገይረ። 22 ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ገረድካ እትብለካ ስማዕ። ቍራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜኻ ኸንብረልካ እየ እሞ፡ መገድኻ ንምኻድ ሓይሊ ኽትረክብሲ ብላዕ” በለቶ። 23 ንሱ ግና፡ “ኣይበልዕን” ኢሉ ኣበየ። ገላዉኡን እታ ሰበይትን ግና ግዲ በልዎ። ንሱ ድማ ሰምዖም፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኸኣ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ። 24 እታ ሰበይቲ ድማ ኣብ ቤታ ስቡሕ ምራኽ ነበራ፣ ተቐላጢፋ ኸኣ ሓረደቶ፣* ሓርጭ ወሲዳ ድማ ለዊሳ፡ ቅጫ ሰንከተት። 25 ንሳኦልን ንገላዉኡን ከኣ ኣቕረበትሎም፣ ንሳቶም ድማ በልዑ። ድሕርዚ፡ ተንሲኦም በታ ለይቲ እቲኣ ኸዱ።+ 8 ሳሙኤል ምስ ኣረገ፡ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈራዶ ገበሮም። 2 ስም እቲ በዅሪ ወዱ ዮኤል፡ ስም እቲ ኻልኣዩ ድማ ኣብያ ነበረ፣+ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ፈራዶ ነበሩ። 3 ደቁ ግና ብመገድታቱ ኣይተመላለሱን፣ ረብሓ ሸፈጥ ናብ ምስዓብ ዝዘምበሉን+ ጉቦ ዚቕበሉን+ ፍትሒ ዜቕንኑን+ ነበሩ። 4 ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጺኦም፡ 5 “እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ ኢኻ፣ ደቅኻ ኸኣ ብመገድታትካ ኣይመላለሱን እዮም ዘለዉ። ሕጂ ድማ ከም ኵሎም ካልኦት ኣህዛብ፡ ዚፈርደና ንጉስ ኣንግሰልና” በልዎ።+ 6 “ዚፈርደና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ግና፡ እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ።* ሳሙኤል ድማ ናብ የሆዋ ጸለየ። 7 የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ኸይነግሶም ንዓይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፡ ንዓኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ እሞ፡ ኵሉ እቲ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ስማዕ።+ 8 ከምቲ ኻብታ ኻብ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኣትሒዞም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርዎ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፣ ንዓይ ሓሓዲጎም+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልጊሎም እዮም፣+ ንዓኻ እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩኻ ዘለዉ። 9 ሕጂ ስምዓዮም። ግናኸ፡ ኣጸቢቕካ ኣጠንቅቆም፣ ኣብ ልዕሊኦም ዚነግስ ንጉስ ኬማልእዎ ዚሓትቶም ግቡእ ንገሮም።” 10 ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ኬንግሰሎም ዝለመንዎ ህዝቢ፡ ኵሉ ቓላት የሆዋ ነገሮም። 11 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስ ከተማልእዎ ዚሓትተኩም ግቡእ እዚ እዩ፦+ ንኣወዳትኩም ወሲዱ+ ሰብ ሰረገላታቱን+ ፈረሰኛታቱን+ ኪገብሮም እዩ፣ ገሊኦም ድማ ቀቅድሚ ሰረገላታቱ ኺጐይዩ እዮም። 12 ንገዛእ ርእሱ ዚዀኑ ኣሕሉቕ ሽሕን+ ኣሕሉቕ ሓምሳን+ ገይሩ ኸኣ ኪሸሞም እዩ፣ ገሊኦም ድማ ማሕረሱ ኺሓርሱ፡+ ዓጺዱ ኺዓጽዱ፡+ ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሑ ሰረገላታቱን ከኣ ኪሰርሑ እዮም።+ 13 ኣዋልድኩም ድማ ቀመምቲ ቕብእን* ከሸንትን ሰንከትትን ኪዀና ኺወስደን እዩ።+ 14 ዘዝበለጸ ግራውትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣእዋም ኣውልዕኩምን ወሲዱ፡+ ንገላዉኡ ኺህቦም እዩ። 15 ዕሽር ዘራእትኹምን ወይንኹምን ወሲዱ፡ ንኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን ንገላዉኡን ኪህቦም እዩ። 16 ገላዉኹምን ኣግራድኩምን ዘዝበለጻ ኸብትኹምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ኸኣ፡ ንዕዮኡ ኺጥቀመሎም እዩ።+ 17 ዕሽር ጤለ በጊዕኩም ድማ ኪወስድ እዩ፣+ ንስኻትኩም እውን ባሮቱ ኽትኰኑ ኢኹም። 18 ብሰሪ እቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ እትምህለሉላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና የሆዋ ኣይኪምልሰልኩምን እዩ።” 19 እቲ ህዝቢ ግና ነቲ ሳሙኤል ዝነገሮም ምስማዕ ኣበዩ፡ ከምዚ ድማ በሉ፦ “ኣይፋልን፡ ኣብ ልዕሌና ንጉስ ኪነግሰና ቘሪጽና ኢና። 20 ሽዑ፡ ከም ኵሎም ካልኦት ኣህዛብ ክንከውን ኢና፣ ንጉስና ድማ ኪፈርደናን ኪመርሓናን ውግእ ኪዋግኣልናን እዩ።” 21 ሳሙኤል ንዅሉ ቓላት እቲ ህዝቢ ሰሚዑ፡ የሆዋ እናሰምዖ ደገሞ። 22 የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል፡ “ስምዓዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንግሰሎም” በሎ።+ ሳሙኤል ከኣ ንሰብ እስራኤል፡ “ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ይመለስ” በሎም። 11 ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ+ ድማ ደዪቡ ኣንጻር እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ያቤሽ+ ሰፈረ። ኵሎም ሰብ ያቤሽ ከኣ ንናሓሽ፡ “ኪዳን እተወልና* እሞ፡ ክንግዝኣካ ኢና” በልዎ። 2 ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ድማ፡ “የማነይቲ ዓይኒ ዅልኹም ብምንቋር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ። እዚ ድማ ንዅሉ እስራኤል ከዋርድ እየ ዝገብሮ” በሎም። 3 እቶም ዓበይቲ ያቤሽ ከኣ፡ “ናብ ኵላ ሃገር እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ሃበና። ዜናግፈና እንተ ዘየልቦ፡ ሽዑ ንዓኻ ኢድና ኽንህብ ኢና” ኢሎም መለሱሉ። 4 እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ናይ ሳኦል ጊብዓ መጺኦም፡+ እቶም ህዝቢ እናሰምዑ እዚ ቓላት እዚ ተዛረቡ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። 5 ግናኸ፡ ሳኦል ካብ መሮር ደድሕሪ ኸብቲ ይመጽእ ነበረ፣ ሳኦል ከኣ፡ “እዚ ህዝቢ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ስለምንታይ እዩ ዚበኪ ዘሎ፧” በለ። ንሳቶም ድማ፡ ቃላት ሰብ ያቤሽ ነገርዎ። 6 ሳኦል፡ እዚ ቓላት እዚ ምስ ሰምዐ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣኽእሎ ሃቦ እሞ፡+ ብቝጥዓ ነደደ። 7 ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራረጾም። ነዚ ኸኣ ብኢድ ልኡኻት ገይሩ ናብ ኵላ ሃገር እስራኤል ሰደዶ፣ ንሳቶም ድማ፡ “ንሳኦልን ንሳሙኤልን ዘይስዕብ ዘበለ፡ ከብቱ ኸምዚ ኺግበሩ እዮም” በሉ። ፍርሂ የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ እሞ፡ ብሓደ ሰሚሮም* ወጹ። "8 ንሱ ድማ ኣብ ቤዜቅ ቈጸሮም፣ 300,000 እስራኤላውያንን 30,000 ሰብ ይሁዳን ከኣ ኰኑ።" 9 ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ ከምዚ በልዎም፦ “ንሰብ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ያቤሽ፡ ‘ጽባሕ ጸሓይ ምስ ሞቐት፡ ድሕነት ክትረኽቡ ኢኹም’ በልዎም።” እቶም ልኡኻት ከኣ መጺኦም ንሰብ ያቤሽ ነገርዎም፣ ንሳቶም ድማ ተሓጐሱ። 10 ሰብ ያቤሽ ከኣ፡ “ጽባሕ ንዓኻትኩም ኢድና ኽንህብ ኢና፣ ሽዑ፡ ጽቡቕ ዀይኑ እተራእየኩም ግበሩና” በሉ።+ 11 ንጽብሒቱ፡ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፣ ብግዜ ሓለዋ ንግሆ* ድማ ናብ ማእከል እቲ ሰፈር ኣትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዚድህር ንዓሞናውያን ወቕዕዎም።+ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ክልተ እኳ ብሓደ ኸይተረፉ ፋሕ በሉ። 12 ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል፡ “እቲ፡ ‘ሳኦልዶ ኣብ ልዕሌና ኺነግስ እዩ፧’ ዝበለ መን እዩ፧+ ነቶም ሰባት ኣሕሊፍኩም ሃቡና እሞ፡ ክንቀትሎም ኢና” በልዎ። 13 ሳኦል ግና፡ “ሎሚ የሆዋ ንእስራኤል ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተል” በለ።+ 14 ሳሙኤል ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ “ንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡+ ኣብኡ ድማ ነቲ ንግስና ንሓድሶ” በሎም።+ 15 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ጊልጋል ከዱ፣ ኣብ ጊልጋል ድማ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንገስዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ሰውኡ፣+ ሳኦልን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ድማ ብዙሕ ተሓጐሱ።+ 2 ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየት፦ “ልበይ ብየሆዋ ይሕጐስ፣+ቀርነይ* ብየሆዋ ልዕል ኢሉ ኣሎ። ብግብርታት ድሕነትካ እሕጐስ እየ እሞ፡ኣፈይ ኣንጻር ጸላእተይ ሃህ ኢሉ። 2 ከም የሆዋ ዝበለ ቕዱስ የልቦን፡ብዘይካኻ ኻልእ የልቦን፣+ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን።+ 3 የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍልጠት እዩ፡+ግብርታት ከኣ ብቕንዕና ይመዝን እዩ እሞ፡ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፣ትምክሕቲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። 4 ቀስቲ እቶም ጀጋኑ ተሰባበረ፡እቶም ዚዕንቀፉ ግና ሓይሊ ተዋህቦም።+ 5 እቶም ጽጉባት፡ እንጌራ ንምርካብ ተቘጽሩ፣እቶም ጥሙያት ግና ደጊም ኣይጠመዩን።+ እታ መኻን ሸውዓተ ወለደት፣+እታ ኣወዳት ዝወለደት ግና ምውላድ ኣቋረጸት።* 6 የሆዋ ይቐትል፡ ብህይወት ድማ የንብር፣*ናብ መቓብር* የውርድ፡ የተንስእ ከኣ።+ 7 የሆዋ የንዲ፡ የሀብትም ድማ፣+ትሕት የብል፡ ልዕል ከኣ የብል።+ 8 ምስ መሳፍንቲ ኾፍ ኬብሎም፡መንበር ክብሪ ኺህቦም፡ንትሑት ካብ ሓመድ የተንስእ፡ንድኻ ኻብ ኵምራ ሓምዅሽቲ* ልዕል የብል።+ ኣዕኑድ ምድሪ ናይ የሆዋ እዩ፣+ንፍርያም ምድሪ ኸኣ ኣብኡ ኣንቢርዋ እዩ። 9 ሰብ ብሓይሊ ኣይኰነን ዚዕወት እሞ፡+ንሱ ስጕምቲ እሙናቱ ይሕሉ፣+እኩያት ግና ኣብ ጸልማት ስቕ ይብሉ።+ 10 የሆዋ ነቶም ዚብኣስዎ ይሰባብሮም፣*+ካብ ሰማያት ከኣ ኣንጻሮም የንጐድጕድ።+ የሆዋ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ይዳኒ፣+ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፣+ቀርኒ* ቕቡኡ ኸኣ ልዕል የብል።”+ 11 ኤልቃና ድማ ናብ ቤቱ ናብ ራማ ኸደ፣ እቲ ቘልዓ ግና ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ፡ ኣገልጋሊ የሆዋ ዀይኑ ነበረ።*+ 12 ደቂ ኤሊ ኸኣ እኩያት ነበሩ፣+ ንየሆዋ ድማ ኣኽብሮት ኣይነበሮምን። 13 ብዛዕባ እቲ ኻብቲ ህዝቢ ዚውሃብ ግቡእ ካህናት ከምዚ ይገብሩ ነበሩ፦+ ዝዀነ ሰብ መስዋእቲ ምስ ዚስውእ፡ እቲ ስጋ ኺበስል ከሎ፡ ጊልያ እቲ ኻህን ሰለስተ ዝጨንፈሩ ሻኳ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡ 14 ናብ ገበራ፡ ወይ ናብ ክልተ ዝእዝኑ ቝራዕ፡ ወይ ናብ ዓብዪ ቝራዕ፡ ወይ ናብ ሓደ ዝእዝኑ ቝራዕ ይወግእ ነበረ። እቲ ሻኳ ዘልዓሎ ዘበለ ድማ፡ እቲ ኻህን ንርእሱ ይወስዶ ነበረ። ንዅሎም እቶም ናብ ሺሎ ዚመጹ እስራኤላውያን ከምኡ ይገብርዎም ነበሩ። 15 እቲ ዚስውእ ሰብ ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረሮ ኸሎ እኳ፡+ ጊልያ እቲ ኻህን ናብኡ መጺኡ፡ “ነቲ ኻህን ዚኸውን ዚጥበስ ስጋ ሃባ። ጥረ ስጋ እምበር፡ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ” ይብሎ ነበረ። 16 እቲ ሰብኣይ፡ “ቅድም እቲ ስብሒ ብርግጽ ይሕረር፣+ ድሕሪኡ፡ ዝደለኻዮ* ውሰድ” ምስ ዚብሎ፡ “ኣይፋል፡ ሕጂ ደኣ ሃበኒ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኽወስድ እየ” ይብሎ ነበረ። 17 በዚ ኸምዚ፡ እቶም ሰባት ንመስዋእቲ የሆዋ ይንዕቕዎ ነበሩ እሞ፡ ሓጢኣት እቶም ገላዉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣዝዩ ዓብዪ ዀነ።+ 18 ሳሙኤል ከኣ ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ኤፎድ በፍታ ተዓጢቑ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የገልግል ነበረ።+ 19 ኣዲኡ ድማ እጅገ ዘይብሉ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ትገብረሉ ነበረት፣ ምስ ሰብኣያ ዓመታዊ መስዋእቲ ኽትስውእ ክትድይብ ከላ ኸኣ፡ ዓመት ዓመት ተምጽኣሉ ነበረት።+ 20 ኤሊ ድማ ንኤልቃናን ንሰበይቱን፡ “ኣብ ክንዲ እቲ ንየሆዋ እተወፈየ፡ የሆዋ ኻብዛ ሰበይቲ እዚኣ ውሉድ ይሃብካ” ኢሉ መረቖም።+ ንሳቶም ከኣ ናብ ቦታኦም ከዱ። 21 የሆዋ ድማ ንሃና ቘላሕታ ገበረላ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት፡+ ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ድማ ወለደት። ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ።+ 22 ኤሊ ድማ ኣዝዩ ኣረገ፣ እቲ እቶም ደቁ ንዅሉ እስራኤል ዚገብርዎ ዝነበሩን+ ምስተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ኸም ዚድቅሱን ከኣ ሰምዐ።+ 23 ንዓታቶም ድማ ከምዚ ይብሎም ነበረ፦ “ስለምንታይ ኢኹም ከምዚ እትገብሩ ዘለኹም፧ እዚ ብዛዕባኹም ካብ ኵሉ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘለኹ ነገርሲ ኽፉእ እዩ። 24 ኣይፋልኩምን ደቀየ፡ እዚ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ኺውረ ዝሰምዖ ዘለኹ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። 25 ሰብ ንሰብ እንተ በዲልዎ፡ ሰብ ንየሆዋ ይልምነሉ፣* ሰብ ንየሆዋ እንተ በዲልዎ ግና፡+ መን ኬማልደሉ ይኽእል፧” ግናኸ፡ የሆዋ ኪቐትሎም ቈሪጹ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ንኣቦኦም ኣይሰምዕዎን።+ 26 ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ ብቝመትን ብሞገስን ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ሰባትን ይዓቢ ነበረ።+ 27 ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ቤት ኣቦኻ ኣብ ግብጺ ባሮት ቤት ፈርኦን ከለዉስ፡ ብንጹርዶ ኣይተገለጽኩሎምን፧+ 28 ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ+ ኺስውእን ኪዓጥንን* ኣብ ቅድመይ ኤፎድ ኪጸውርን እውን ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ንዕኡ እየ ሓርየዮ፣+ ንቤት ኣቦኻ ኸኣ ኵሉ እቲ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እስራኤላውያን* ሂበዮም እየ።+ 29 ነቲ ኣብ ማሕደረይ ኪቐርብ ዝኣዘዝክዎ መስዋእትን መባእን ደኣ ስለምንታይ ንዒቕኩምዎ፧*+ ካብ ኵሉ እቲ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ብምስባሕከ፡ ስለምንታይ ካባይ ኣብሊጽካ ንደቅኻ ኣኽቢርካ፧+ 30 “‘ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “ኣነስ ቤትካን ቤት ኣቦኻን ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ ኢለዮም ነይረ።”+ ሕጂ ግና፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦ “ነቶም ዜኽብሩኒ ከኽብሮም፡+ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሓስሩ እዮም እሞ፡ እዝስ ኣባይ ዘይሕሰብ እዩ።” 31 እንሆ፡ ኣብ ቤትካ ኽሳዕ ዚኣርግ ዚነብር ምእንቲ ኸይርከብ፡ ብርታዐኻን ብርታዐ ቤት ኣቦኻን* ዜጥፍኣለን መዓልትታት ኪመጻ እየን።+ 32 ኣብ መንጎ ዅሉ እቲ ንእስራኤል እተገብረሉ ጽቡቕ፡ ኣብ ማሕደረይ ተጻራሪ ኽትርኢ ኢኻ፣+ ኣብ ቤትካ ድማ ኣረጊት ከቶ ኣይኪርከብን እዩ። 33 እቲ ኣብ መሰውእየይ ካብ ምግልጋል ዘየወግዶ ሰብካ፡ ንኣዒንትኻ ኼድክመንን ጓሂ ኼምጽኣልካን* እዩ፣ መብዛሕትኦም ካብ ቤትካ ግና ብሰይፊ ሰብ ኪሞቱ እዮም።+ 34 እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍኒን ፊንሃስን ዚመጽእ፡ ምልክት ኪዀነካ እዩ፦ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኺሞቱ እዮም።+ 35 ሽዑ፡ ኣነ እሙን ካህን ንዓይ ከተንስእ እየ።+ ንሱ ኸኣ ከም ትምኒት ልበይ* ኪገብር እዩ፣ ኣነ ድማ ነባሪት ቤት ክሃንጸሉ እየ፣ ንሱ እውን ወትሩ ኣብ ቅድሚ ቕቡአይ ኪመላለስ እዩ። 36 ኣብ ቤትካ ዚተርፍ ዘበለ፡ ክፍሊት ገንዘብን እንጌራን ደልዩ መጺኡ ኺሰግደሉ፡ “ቍራስ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ በጃኻ እባ፡ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት መድበኒ” ድማ ኪብሎ እዩ።’”+ 26 ሰብ ዚፍ+ ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ+ መጺኦም፡ “ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንጽር የሺሞን* ዘሎ ዅርባ ሓኪላዶ ተሓቢኡ የሎን፧”+ በልዎ። "2 ሽዑ፡ ሳኦል ተንሲኡ፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኪደልዮ፡ ካብ እስራኤል ምስ እተሓርዩ 3,000 ሰብኡት ናብ በረኻ ዚፍ ወረደ።+" 3 ሳኦል ከኣ ኣብታ ኣብ መንጽር የሺሞን፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ዘላ ዅርባ ሓኪላ ሰፈረ። ሽዑ፡ ዳዊት ኣብቲ በረኻ ተቐሚጡ ነበረ፣ ሳኦል ደድሕሪኡ ናብቲ በረኻ ኸም ዝመጸ ድማ ፈለጠ። 4 ዳዊት ከኣ፡ ሳኦል ብርግጽ ከም ዝመጸ ንምርግጋጽ፡ ሰለይቲ ሰደደ። 5 ዳዊት ድማ ናብታ ሳኦል ዝሰፈራ ቦታ ኸደ፣ ዳዊት ከኣ ሳኦልን ኣብኔር+ ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝደቀሱላ ቦታ ረኣየ። ሳኦል ድማ ኣብ እተሓጽረ ሰፈር ደቀሰ፣ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ። 6 ሽዑ፡ ዳዊት ንኣሒሜሌክ እቲ ሔታውን+ ንኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ+ ሓው ዮኣብን፡ “ናብቲ ሰፈር ናብ ሳኦል መን ምሳይ ይወርድ፧” በሎም። ኣቢሻይ ድማ፡ “ኣነ ምሳኻ እወርድ” ኢሉ መለሰሉ። 7 ዳዊትን ኣቢሻይን ከኣ ብለይቲ ናብቲ ሰራዊት መጹ፣ ሳኦል ድማ ኣብ እተሓጽረ ሰፈር በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኲናቱ እውን ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ሰራዊትን ከኣ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ። 8 ሽዑ፡ ኣቢሻይ ንዳዊት፡ “ሎሚ፡ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ሓንሳእ ብዂናት ምስ ምድሪ ኸላግቦስ በጃኻ ሕደገኒ፣ ክደግሞ እውን ኣየድልየንን እዩ” በሎ። 9 ዳዊት ግና ንኣቢሻይ፡ “ኢዱ ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ+ ኣልዒሉስ ንጹህ ኰይኑ ኪቕጽል ዚኽእል መን ኣሎ፧+ ስለዚ፡ ኣይትጕድኣዮ” በሎ። 10 ዳዊት ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ የሆዋ ባዕሉ ኺወቕዖ እዩ፡+ ወይ መዓልቱ መጺኣ+ ኺመውት እዩ፡ ወይ ናብ ውግእ ወሪዱ ኺጠፍእ እዩ።+ 11 ኢደይ ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ ኸልዕልሲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ!+ ሕጂ ድማ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ዃዳ ማይን ውሰዶ እሞ፡ ንኺድ” በለ። 12 ዳዊት ከኣ ነቲ ዂናትን ነቲ ዃዳ ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም እውን ከዱ። የሆዋ ኸቢድ ድቃስ ኣደቂስዎም ስለ ዝነበረ፡ ኵላቶም ደቂሶም ነበሩ እሞ፡ ሓደ እኳ ዝረኣዮም፡ ወይ ዝፈለጠ፡ ወይ ዝነቕሐ ኣይነበረን።+ 13 ዳዊት ድማ ናብ ስግር ተሳገረ፣ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ደው በለ፣ ኣብ መንጎኦም እውን ገፊሕ ቦታ ነበረ። 14 ዳዊት ድማ ነቶም ሰራዊትን ንኣብኔር+ ወዲ ኔርን፡ “ኣብኔር፡ ኣይትምልስን ዲኻ፧” ኢሉ ጸውዖም። ኣብኔር ከኣ፡ “ኣታ ንንጉስ እትጽውዕ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ። 15 ዳዊት ድማ ንኣብኔር ከምዚ በሎ፦ “ንስኻስ ሰብኣይ ደይኰንካን፧ ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ስለምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓሎኻዮ፧ ሓደ ኻብ ተዋጋእትስ ንጐይታኻ ንጉስ ኪቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ።+ 16 እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም እቲ ቕቡእ የሆዋ ስለ ዘይሓሎኹምዎ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ሞት እዩ ዚግብኣኩም።+ ሕጂ ኸኣ ርአ! እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ኳዳ ማይን ኣበይ ኣሎ፧”+ 17 ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ “እዝስ ድምጽኻ ድዩ፡ ዳዊት ወደይ፧” በለ።+ ዳዊት ከኣ፡ “ድምጸይ እዩ፡ ጐይታይ ንጉስ” ኢሉ መለሰ። 18 ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ፦ “ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጊልያኡ ዚሰጕጎ ዘሎ፧+ እንታይ እየ ገይረ፧ እንታይከ እየ በዲለ፧+ 19 በጃኻ ጐይታይ ንጉስ፡ ዘረባ ጊልያኡ ይስማዕ፦ እቲ ኣንጻረይ ዝደፋፍኣካ የሆዋ እንተ ዀይኑ፡ መስዋእቲ እኽለይ ይቀበል።* ደቂ ሰብ እንተ ደፋፊኦምኻ ግና፡+ ምስ ርስቲ የሆዋ ሓድነት ከይህልወኒ፡+ ‘ኪድ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልግል’ ኢሎም ሎሚ ሰጒጎምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርጉማት ይኹኑ። 20 ሕጂ ኸኣ፡ ንጉስ እስራኤል ንቖቛሕ ኣብ ኣኽራን ከም ዚሃድን ኰይኑ፡ ንሓደ ቝንጪ ኺደሊ ወጺኡ እዩ እሞ፡+ ደመይ ካብ ቅድሚ የሆዋ ተፈልዩ ናብ ምድሪ ኣይፍሰስ።” 21 ሽዑ፡ ሳኦል፡ “ኣነ እየ በዲለ።+ ዳዊት ወደይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንህይወተይ* ስለ ዘኽበርካያ፡+ ኣይክጐድኣካን እየ እሞ፡ ተመለስ። እወ፡ ዓሽየ፡ ብዙሕ እውን ተጋግየ እየ” በለ። 22 ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ እንሆ። ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ይሳገር እሞ ይውሰዶ። 23 ሎሚ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ ኢደይ ምልዓል ኣብየ እየ እሞ፡+ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም ተኣማንነቱን ዚፈድዮ የሆዋ እዩ።+ 24 እንሆ፡ ከምቲ ህይወትካ* በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣባይ ዝኸበረት፡ ከምኡ ኸኣ ህይወተይ* ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ትኽበር፡ ካብ ኵሉ ጭንቂ እውን የናግፈኒ።”+ 25 ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ “ዳዊት ወደይ፡ ተባረኽ። ብርግጽሲ ዓብዪ ነገራት ክትገብር ኢኻ፣ ብርግጽ እውን ክትዕወት ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ ዳዊት ከኣ መገዱ ኸደ፣ ሳኦል ድማ ናብ ቦታኡ ተመልሰ።+ 4 ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል ወጸ። እስራኤል ድማ ንፍልስጥኤማውያን ኪቀባበሎም ወጸ፣ ኣብ ጥቓ ኤብንዔዘር ከኣ ሰፈረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ። "2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንእስራኤል ኪቀባበልዎ ተሰለፉ፣ እቲ ውግእ ድማ በርትዐ፣ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ተሳዕረ፣ ንሳቶም እውን ኣብ መሮር ካብቲ መስመር ውግእ 4,000 ሰብኡት ቀተሉ።" 3 እቲ ህዝቢ ናብ ሰፈር ምስ ተመልሰ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፡ “ስለምንታይ እዩ የሆዋ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ዘስዓረና፧*+ ታቦት ኪዳን የሆዋ ምሳና ዀይኑ ኻብ ኢድ ጸላእትና ምእንቲ ኼድሕነናስ፡ ካብ ሺሎ ምሳና ንውሰዶ” በሉ።+ 4 እቲ ህዝቢ ድማ ናብ ሺሎ ልኢኹ፡ ነቲ ታቦት ኪዳን እቲ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምጽእዎ።+ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን+ ድማ ምስ ታቦት ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ ነበሩ። 5 ታቦት ኪዳን የሆዋ ናብቲ ሰፈር ምስ መጸ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ምድሪ ኽሳዕ እትናወጽ ዓው ኢሎም ጨደሩ። 6 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ምስ ሰምዑ፡ “ኣብ ሰፈር እብራውያን ድምጺ ጭድርታ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧” በሉ። ታቦት የሆዋ ናብቲ ሰፈር ከም ዝመጸ ድማ ፈለጡ። 7 ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ “ኣምላኽ ናብቲ ሰፈር መጺኡ!” ኢሎም ፈርሁ።+ ከምዚ ድማ በሉ፦ “ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝበለ ዀይኑ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ወይለና! 8 ወይለና! ካብ ኢድ እዚ ግርማዊ ኣምላኽ እዚ መን ኬድሕነና እዩ፧ ንግብጺ ኣብ በረኻ ወቒዑ ዅሉ ዓይነት ህልቂት ዘምጽአ ኣምላኽ እዚ እዩ።+ 9 ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፡ ከምቲ ንሳቶም እተገዝኡኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንእብራውያን ከይትግዝእዎምሲ፡ ትብዑ፡ ሰብኡት እውን ኩኑ።+ እወ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ ተዋግኡ!” "10 ሽዑ፡ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፡ እስራኤል ከኣ ተሳዕረ፣+ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። ኣመና ብዙሓት ከኣ ተቐትሉ፣ ካብ እስራኤል፡ 30,000 ኣጋር ተዋጋእቲ ወደቑ።" 11 ታቦት ኣምላኽ ድማ ተማረኸ፣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን ከኣ ሞቱ።+ 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱ እውን ሓመድ ነስኒሱ፡ ካብቲ መስመር ውግእ ጐይዩ ናብ ሺሎ መጸ።+ 13 እቲ ሰብኣይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ልቡ ራዕራዕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ የማዕዱ ነበረ።+ እቲ ሰብኣይ ድማ ኬውሪ ናብ ከተማ ኣተወ፣ ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ጫውጫው በለት። 14 ኤሊ ድማ ድምጺ እቲ ጫውጫውታ ምስ ሰምዐ፡ “እዚ ድምጺ ህውከት እዚ እንታይ እዩ፧” በለ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ቀልጢፉ መጺኡ፡ ንኤሊ ነገሮ። 15 (ኤሊ ድማ ወዲ 98 ዓመት ኰይኑ ነበረ፣ ኣዒንቱ ፈዚዘን ነበራ፡ ኪርኢ እውን ኣይክእልን ነበረ።)+ 16 እቲ ሰብኣይ ድማ ንኤሊ፡ “እቲ ኻብ መስመር ውግእ ዝመጸ ኣነ እየ። ካብቲ መስመር ውግእ ሎሚ እየ ሃዲመ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ወደየ፡ ከመይ ኰይኑ፧” ኢሉ ሓተቶ። 17 እቲ መውረዪ ድማ፡ “እስራኤል ካብ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሞም፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብርቱዕ ስዕረት ተሳዒሩ።+ ክልቲኦም ደቅኻ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን ከኣ ሞይቶም፣+ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እውን ተማሪኹ” ኢሉ መለሰሉ።+ 18 ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ኣልዓለሉ፡ ኤሊ ኻብ መንበሩ ኣብ ጥቓ እቲ ኣፍ ደገ ንድሕሪት ወደቐ፡ ኣሪጉን ከቢዱን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ክሳዱ ተሰብረ። ንሱ ንእስራኤል 40 ዓመት ፈሪዱ ነበረ። 19 ሰበይቲ ወዱ፡ ሰበይቲ ፊንሃስ ከኣ፡ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት። ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም እተማረኸ፡ ሓሙኣን ሰብኣያን ድማ ከም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፡ ተጐምብሐት፡ ድንገት ብጻዕሪ ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ወለደት። 20 ክትመውት ከላ ኸኣ፡ እተን ኣብ ጥቓኣ ዝነበራ ኣንስቲ፡ “ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ” በላኣ። ንሳ ግና ኣይመለሰትን፡ ኣብ ልባ እውን ኣይገበረቶን። 21 ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ እተማረኸን ብምኽንያት እቲ ንሓሙኣን ንሰብኣያን ዘጋጠሞምን ድማ፡+ “ክብሪ ኻብ እስራኤል ተማሪኹ ኸደ” ኢላ፡+ ነቲ ሕጻን ኢካቦድ* ኢላ ሰመየቶ።+ 22 ንሳ ኸኣ፡ “ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ እተማረኸ፡ ክብሪ ኻብ እስራኤል ተማሪኹ ኸደ” በለት።+ 16 የሆዋ ድማ ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸለኹስ፡+ ንስኻ ኽሳዕ መዓስ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ፧+ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካ ኺድ።+ ካብ መንጎ ደቂ እሴይ+ ብዓል ቤት-ልሄም ንጉስ ዚዀነኒ ሓርየ ስለ ዘለኹ፡+ ናብኡ ኽልእከካ” በሎ። 2 ሳሙኤል ግና፡ “ከመይ ገይረ ክኸይድ፧ ሳኦል ብዛዕባ እዚ እንተ ሰሚዑ፡ ኪቐትለኒ እዩ” በሎ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ኣርሒ ተማላእ እሞ፡ ‘ንየሆዋ ኽስውእ መጺአ’ በል። 3 ንእሴይ ድማ ናብቲ መስዋእቲ ጸውዓዮ፣ እቲ እትገብሮ ኸኣ ኣነ ኽነግረካ እየ። ነቲ ዝብለካ ድማ ቅብኣለይ” ኢሉ መለሰሉ።+ 4 ሳሙኤል ከኣ እቲ የሆዋ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት-ልሄም ምስ መጸ፡+ ዓበይቲ እታ ኸተማ ራዕራዕ እናበሉ ተቐበልዎ፡ “ብሰላም ዲኻ መጺእካ፧” እውን በልዎ። 5 ንሱ ድማ፡ “ብሰላም እየ። ንየሆዋ ኽስውእ እየ መጺአ። ተቐደሱ፡ ናብቲ መስዋእቲ እውን ምሳይ ምጹ” በለ። ሽዑ፡ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፡ ናብቲ መስዋእቲ እውን ጸውዖም። 6 ምስ መጹ፡ ንኤልያብ ረኣዮ እሞ፡+ “ብርግጽ እቲ ቕቡእ የሆዋ ኣብ ቅድሚኡ እንሀ” በለ። 7 የሆዋ ግና ንሳሙኤል፡ “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣይትጠምት።+ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ እሞ፡+ ኣምላኽሲ ኸምቲ ሰብ ዚርእዮ ኣይኰነን ዚርኢ” በሎ። 8 ሽዑ፡ እሴይ ንኣቢናዳብ ጸዊዑ፡+ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ፣ ንሱ ግና፡ “ነዚ እውን የሆዋ ኣይሓረዮን” በለ። 9 እሴይ ከኣ ንሻማ ኣቕረቦ፣+ ንሱ ግና፡ “ነዚ እውን የሆዋ ኣይሓረዮን” በለ። 10 እሴይ ድማ ንሸውዓተ ደቁ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም፣ ሳሙኤል ግና ንእሴይ፡ “የሆዋ ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን” በሎ። 11 ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ “እዚኣቶም ድዮም ኵሎም ደቅኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ገና እቲ ሕሳስ ልደ ተሪፉ ኣሎ፣+ ንሱ ኣባጊዕ ይጓሲ ኣሎ” በሎ።+ ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ “ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣብ መኣዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣዮ” በሎ። 12 ንሱ ድማ ልኢኹ ኣምጽኦ። ንሱ ኸኣ ቀይሕን ጽቡቕ ዝኣዒንቱን ጽቡቕ ዝትርኢቱን ነበረ።+ የሆዋ ድማ፡ “ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ” በለ።+ 13 ሽዑ፡ ሳሙኤል ነቲ ቐርኒ ዘይቲ+ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ድማ፡ መንፈስ የሆዋ ንዳዊት ኣኽእሎ ሃቦ።+ ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ።+ 14 መንፈስ የሆዋ ድማ ካብ ሳኦል ረሓቐ፣+ ካብ የሆዋ ድማ ክፉእ መንፈስ ኣሸበሮ።+ 15 እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ “እንሆ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ የሸብረካ ኣሎ። 16 ጐይታና ድማ በጃኻ ንገላዉኻ፡ ክኢላ ወቓዕ መሰንቆ* ዝዀነ ሰብ ክንደሊ ኣዝዝ።+ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ኪመጸካ ኸሎ፡ ንሱ ኺወቅዕ እሞ፡ ኪሕሸካ እዩ” በልዎ። 17 ሳኦል ከኣ ንገላዉኡ፡ “ጽቡቕ ዚወቅዕ ሰብ በጃኹም ርኸቡለይ እሞ ኣምጽኡለይ” በሎም። 18 ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉ፡ “እንሆ፡ ወዲ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክኢላ ወቓዒ ምዃኑ ርእየ ኣለኹ፣ ንሱ ተባዕ ጅግና እዩ።+ ጽቡቕ ገይሩ ኺዛረብ ዚኽእልን መልክዐኛን እዩ፡+ የሆዋ ኸኣ ምስኡ እዩ” በለ።+ 19 ሳኦል ከኣ ንእሴይ፡ “ነቲ ምስ መጓሰ ዘሎ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።+ 20 እሴይ ድማ እንጌራን ሓርቢ ወይንን እተጻዕነት ኣድግን ሓደ ማሕስእን ወሲዱ፡ ምስ ዳዊት ወዱ ገይሩ ናብ ሳኦል ሰደዶ። 21 ዳዊት ከኣ ናብ ሳኦል መጸ፡ የገልግሎ ድማ ነበረ።+ ሳኦል ድማ ኣዝዩ ፈተዎ፡ ተሰካም ኣጽዋሩ እውን ኰነ። 22 ሳኦል ንእሴይ፡ “ዳዊት ኣብ ኣዒንተይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ የገልግለኒ” ኢሉ ለኣኸሉ። 23 ንሳኦል ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ምስ ዚመጾ፡ ዳዊት መሰንቆ ወሲዱ ይወቅዕ ነበረ፣ ሳኦል ድማ እፎይታ ይረክብን ይሕሾን ነበረ፣ እቲ ኽፉእ መንፈስ እውን ካብኡ የልግስ ነበረ።+ 6 ታቦት+ የሆዋ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ገበረ። 2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንኻህናትን ንጠንቈልትን ጸዊዖም፡+ “ንታቦት የሆዋ እንታይ ንግበሮ፧ ከመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና” ኢሎም ሓተትዎም። 3 ንሳቶም ድማ፡ “ንታቦት ኪዳን የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰዲድኩምዎ፡ ብዘይ መስዋእቲ ኣይትምለስዎ። መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ።+ ሽዑ ጥራይ ኢኹም እትሓውዩ፣ ኢዱ ኻባኻትኩም ዘየልገሰትሉ ምኽንያት እውን ኪፍለጠኩም እዩ” ኢሎም መለሱ። 4 ንሳቶም ከኣ፡ “እንታይ መስዋእቲ በደልከ ኢና እንመልሰሉ፧” ኢሎም ሓተቱ። ንሳቶም ድማ ከምዚ በሉ፦ “ንዅላትኩምን ንጐይተትኩምን ዝወቕዐ መዓት ሕደ እዩ እሞ፡ ከም ቍጽሪ እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን+ ሓሙሽተ ጀርባዶ* ወርቅን ሓሙሽተ ኣንጭዋ ወርቅን ስደዱ። 5 ምስልታት እቲ ጀርባዶኹምን ምስልታት እተን ንምድርኹም ዜጥፍኣ ኣናጹኹምን+ ግበሩ፣ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክብሪ ሃብዎ። ምናልባት ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን ካብ ልዕሊ ኣምላኽኩምን ካብ ልዕሊ ምድርኹምን ክትቀልል እያ።+ 6 ከምቲ ግብጽን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም እተትርሩ፧+ ምስ በርትዖም፡+ ንእስራኤላውያን ኪሰድድዎም ተገደዱ፡ ንሳቶም እውን ከዱ።+ 7 ሕጂ ድማ፡ ሓደ ሓድሽ ሰረገላን ኣርዑት ዘይተሰቕለን ዜጥብዋ ኽልተ ላምን ኣዳልዉ። ነተን ኣሓ ኸኣ ምስቲ ሰረገላ ቝረንወን፣ ነቶም ምራኹተን ግና ካባታተን ፈሊኹም ናብ ቤት ምለስዎም። 8 ንታቦት የሆዋ ወሲድኩም ድማ ኣብቲ ሰረገላ ኣንብርዎ፣ እቲ መስዋእቲ በደል ኪኸውን እትሰድዱሉ ኣቕሑ ወርቂ ኸኣ ኣብ ሳጹን ጌርኩም ኣብ ጥቓኡ ኣንብርዎ።+ ድሕሪኡ፡ መገዱ ስደድዎ 9 እሞ ርኣዩ፦ በቲ መገዲ ኣቢሉ ናብ ቤት-ሸመሽ፡+ ናብ ሃገሩ እንተ ደዪቡ፡ ሽዑ እዚ ብርቱዕ ክፉእ ነገር እዚ ዘምጽኣልና፡ ንሱ እዩ። እንተ ዘይኰነ ግና፡ ብኣጋጣሚ ደኣ እዩ ዀይኑ እምበር፡ እታ ዝወቕዓትና፡ ኢዱ ኸም ዘይኰነት ክንፈልጥ ኢና።” 10 እቶም ሰባት ከምኡ ገበሩ። ክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፣ ነቶም ምራኹተን ድማ ኣብ ቤት ዓጸውዎም። 11 ንታቦት የሆዋን ነቲ ኣናጹ ወርቅን ምስልታት ጀርባዶኦምን ዝሓዘ ሳጹንን ከኣ ኣብቲ ሰረገላ ኣንበርዎ። 12 እተን ኣሓ ድማ ብመገዲ ቤት-ሸመሽ ትኽ ኢለን ከዳ።+ ኣብ ጐደና እምባሕ እናበላ ኸዳ እምበር፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣየላገሳን። እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክሳብ ዶብ ቤት-ሸመሽ ደድሕሪአን ይኸዱ ነበሩ። 13 ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ* ስርናይ ይዓጽዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ኣልዒሎም ነቲ ታቦት ምስ ረኣይዎ፡ ንዕኡ ብምርኣዮም ተሓጐሱ። 14 እቲ ሰረገላ ኸኣ ናብ ግራት እያሱ ብዓል ቤት-ሸመሽ መጺኡ ኣብኣ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ዓብዪ እምኒ ቘመ። ንሳቶም ድማ ንዕንጨይቲ እቲ ሰረገላ ፈለጽዎ፣ ነተን ኣሓ+ ኸኣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ኪዀና ኣቕረቡሉ። 15 ሌዋውያን+ ድማ ነቲ ታቦት የሆዋን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቕሑ ወርቂ ዝሓዘ ሳጹንን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ቤት-ሸመሽ+ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፡ መስዋእቲ ሕሩድ እውን ሰውኡሉ። 16 እቶም ሓሙሽተ ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዔቅሮን ተመልሱ። 17 እቲ ፍልስጥኤማውያን ንየሆዋ መስዋእቲ በደል ኪኸውን ዝሰደዱሉ ጀርባዶ ወርቂ ድማ እዚ እዩ፦+ ሓደ ንኣሽዶድ፡+ ሓደ ንጋዛ፡ ሓደ ንኣሽቀሎን፡ ሓደ ንጋት፡+ ሓደ ንዔቅሮን።+ 18 ቍጽሪ እተን ኣናጹ ወርቂ ኸኣ ከም ቍጽሪ ዅለን እተን ናይቶም ሓሙሽተ ጐይተት ዝዀና ኸተማታት ፍልስጥኤማውያን፡ ካብተን እተዓርዳ ኸተማታት ክሳብ እተን ኣብ ገጠር ዘለዋ ኣቝሻት ነበራ። እቲ ታቦት የሆዋ እተነብረሉ ዓብዪ እምኒ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ግራት እያሱ ብዓል ቤት-ሸመሽ ምስክር ኰይኑ ኣሎ። "19 ግናኸ፡ ሰብ ቤት-ሸመሽ ናብ ታቦት የሆዋ ስለ ዝጠመቱ፡ ኣምላኽ ወቕዖም። ካብቲ ህዝቢ 50,070* ቀተለ፣ የሆዋ ነቲ ህዝቢ ወቒዑ ብዙሓት ስለ ዝቐተለ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ሓዘነ።+" 20 ሰብ ቤት-ሸመሽ ከኣ፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ እዚ ቕዱስ ኣምላኽ እዚ፡ መን ኪቐውም ይኽእል፧+ ካባናኸ ናብ መን ይኺድ፧” በሉ።+ 21 ንነበርቲ ቂርያት-የዓሪም+ ድማ፡ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት የሆዋ መሊሶምዎ ኣለዉ። ወሪድኩም፡ ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ለኣኹሎም።+ 25 ሳሙኤል+ ድማ ሞተ፣ ኵሎም እስራኤል ከኣ ኪሓዝኑሉን ኣብ ቤቱ ኣብ ራማ+ ኪቐብርዎን ተኣከቡ። ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ ናብ በረኻ ጳራን ደየበ። "2 ዕዮኡ ኣብ ቀርሜሎስ*+ ዝዀነ ሰብኣይ ኣብ ማዖን ነበረ።+ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ፣ 3,000 በጊዕን 1,000 ጤልን ነበሮ፣ ሽዑ ኸኣ ኣብ ቀርሜሎስ ኣባጊዑ ይቕምቅም ነበረ።" 3 ስም እቲ ሰብኣይ ድማ ናባል፡+ ስም ሰበይቱ ኸኣ ኣቢጋይል ነበረ።+ እታ ሰበይቱ ድማ ኣስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት፣ እቲ ሰብኣያ ግና ጨካን፡ ግብሩ እውን ክፉእ ነበረ፣+ ካሌባዊ ኸኣ ነበረ።+ 4 ዳዊት ድማ፡ ናባል ኣባጊዑ ይቕምቅም ከም ዘሎ፡ ኣብ በረኻ ኸሎ ሰምዐ። 5 ሽዑ፡ ዳዊት ዓሰርተ ኣጕባዝ ለኣኸሉ። ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጕባዝ ከምዚ በሎም፦ “ናብ ቀርሜሎስ ደይቡ፡ ናብ ናባል ምስ መጻእኩም ድማ፡ ብዛዕባ ድሕንነቱ ብስመይ ሕተትዎ። 6 ከምዚ ድማ በልዎ፦ ‘ዕድመ ይሃብካ፡ ንዓኻ ሰላም ይኹን፡ ንቤትካ ሰላም ይኹን፡ ንዘሎካ ዅሉ እውን ሰላም ይኹን። 7 ሕጂ ኣባጊዕ ትቕምቅም ከም ዘለኻ ሰሚዐ። ጓሶትካ ምሳና ኸለዉ፡ ኣይጐዳእናዮምን፣+ ኣብ ቀርሜሎስ ኣብ ዝነበሩሉ ዅሉ ግዜ ኸኣ፡ ገለ እኳ ኣይጠፍኦምን። 8 ንኣጕባዝካ ሕተቶም፡ ንሳቶም ድማ ኪነግሩኻ እዮም። ብዜሐጕስ እዋን* ስለ ዝመጻእና፡ ኣጕባዘይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ይርከቡ። በጃኻ፡ ክትህቦም እትኽእል ዘበለ ንገላዉኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም።’”+ 9 ኣጕባዝ ዳዊት ከኣ ከይዶም፡ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ። ምስ ወድኡ፡ 10 ናባል ነቶም ገላዉ ዳዊት፡ “ዳዊት መን እዩ፧ ወዲ እሴይከ መን እዩ፧ ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ገላዉ ብዙሓት እዮም።+ 11 እንጌራይን ማየይን እቲ ንቐምቀምተይ ዝሓረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ከም ዝመጹ ንዘይፈልጦምዶ ኽህቦም እየ፧” ኢሉ መለሰሎም። 12 ሽዑ፡ ገላዉ ዳዊት ተመሊሶም፡ ኵሉ እዚ ዘረባ እዚ ነገርዎ። 13 ብኡብኡ፡ ዳዊት ነቶም ሰቡ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰሰይፍኹም ተዓጠቑ” በሎም።+ ነፍሲ ወከፎም ድማ ሰሰይፎም ተዓጥቁ፡ ዳዊት እውን ሰይፉ ተዓጥቀ፣ ኣስታት 400 ሰብኡት ከኣ ምስ ዳዊት ደየቡ፣ 200 ሰብኡት ድማ ምስ ኣቕሑ ጸንሑ። 14 ሓደ ኻብቶም ገላዉ ኸኣ ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ከምዚ ኢሉ ነገራ፦ “እንሆ፡ ዳዊት ካብ በረኻ ንጐይታይ ሰላም ኪብልዎ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ፣ ንሱ ግና ዘሊፍዎም።+ 15 እዞም ሰባት እዚኦም ንዓና ኣዝዮም ሕያዎት እዮም ነይሮም። ኣይጐድኡናን፡ ኣብ መሮር ምሳታቶም ኣብ ዝነበርናሉ ዅሉ ግዜ ድማ ገለ እኳ ኣይጠፍኣናን።+ 16 መጓሰ ኽንጓሲ ምሳታቶም ኣብ ዝነበርናሉ ዅሉ ግዜ ኸኣ፡ ብለይትን ብመዓልትን ኣብ ዙርያና ኸም ዜዕቍብ መካበብያ እዮም ኰይኖምልና ነይሮም። 17 ሕጂ፡ ንጐይታናን ንዅላ ቤቱን መዓት ተመዲቡ ኣሎ እሞ፡+ እትገብርዮ ወስኒ፣ ንሱ ድማ ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይክእል ዘይጠቅም ሰብ እዩ።”+ 18 ሽዑ፡ ኣቢጋይል+ ቀልጢፋ 200 እንጌራን ክልተ ገንኢ ወይንን ሓሙሽተ እተሰናደዋ ኣባጊዕን ሓሙሽተ ስፍሪ ሴኣ* ቖሎን 100 ጎጎ ዘቢብን 200 ጎጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ጸዓነቶ።+ 19 ንገላዉኣ ኸኣ፡ “ቀቅድመይ ሕለፉ። ኣነ ድማ ክስዕበኩም እየ” በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን። 20 ኣብ ኣድጊ ተወጢሓ፡ ብኸውሊ እቲ ኸረን ክትወርድ ከላ፡ ሽዑሽዑ፡ ዳዊትን ሰቡን ናብኣ ገጾም ይመጹ ነበሩ፡ ንሳ እውን ተጓነፈቶም። 21 ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ ነበረ፦ “ኵሉ እቲ ናይዚ ሰብ እዚ ዘበለ ኣብ በረኻ ንኸንቱ ሓልየሉ። ካብቲ ናቱ ዘበለ ሓንቲ እኳ ኣይጠፍአትን፣+ ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ፈድዩኒ።+ 22 ካብ ተባዕትዮኡ* ሓደ እኳ ኽሳዕ ንግሆ እንተ ኣትሪፈስ፡ ኣምላኽ ንጸላእቲ ዳዊት* ከምዚ ይግበሮም፡ ከምዚ እውን ይወስኮም።” 23 ኣቢጋይል ድማ ንዳዊት ምስ ረኣየቶ፡ ቀልጢፋ ኻብ ኣድጊ ወረደት፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት እውን ብገጻ ተደፊኣ ሰገደት። 24 ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ጐይታይ፡ እዚ ኣበሳ ኣባይ ይኹን፣ በጃኻ፡ ገረድካ ትዛረብ፡ ዘረባ ገረድካ እውን ስማዕ። 25 ጐይታይ፡ በጃኻ ነዚ ዘይጠቅም ናባል+ ኣይተቕልበሉ፡ ንሱስ ከምቲ ስሙ እዩ። ስሙ ናባል* እዩ፡ ዕሽነት ከኣ ኣለዎ። ኣነ ገረድካ ግና፡ ነቶም ዝለኣኽካዮም ኣጕባዝ ጐይታይ ኣይረኣኽዎምን። 26 ሕጂ ኸኣ ጐይታይ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንስኻ እውን ህያው ዝዀንካ፡* እቲ ኣብ ዕዳ ደም ካብ ምእታውን+ ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝዓገተካ የሆዋ እዩ።+ ጸላእትኻን እቶም ንጐይታይ ኪጐድእዎ ዚደልዩን ከም ናባል ይኹኑ። 27 ሕጂ ድማ፡ እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጸ በረኸት እዚ፡+ ነቶም ንጐይታይ ዚስዕቡ ኣጕባዝ ይወሃብ።+ 28 ጐይታይ ውግእ የሆዋ ይዋጋእ ስለ ዘሎ፡+ ኣብ ኵሉ መዓልትታትካ እውን ኣባኻ ኽፉእ ስለ ዘይተረኽበ፡+ የሆዋ ንጐይታይ ብርግጽ ነባሪት ቤት ኪሰርሓሉ እዩ እሞ፡+ በጃኻ፡ ኣበሳ ገረድካ ሕደገላ። 29 ሓደ ሰብ ኪሰጕጐካን ህይወትካ ኺደልን ምስ ዚትንስእ፡ ህይወት* ጐይታይ ኣብ ከረጺት ህይወት* ተጠቕሊላ ምስ የሆዋ ኣምላኽካ ትተሓሎ፣ ህይወት* ጸላእትኻ ግና፡ ከም ኣእማን ብወንጭፍ ገይሩ* ይወንጭፈን። 30 የሆዋ ንጐይታይ፡ ኵሉ እቲ ዘተስፈወካ ጽቡቕ ነገር ምስ ገበረሉ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ መራሒ ገይሩ ምስ ሸመካ፡+ 31 ብዘይ ምኽንያት ደም ብምፍሳስካን ኢድ ጐይታይ ሕነ ብምፍዳያን፡ ጸጸት ወይ ጣዕሳ ኣይኪህልወካን እዩ።*+ የሆዋ ንጐይታይ ጽቡቕ ምስ ገበረሉ ድማ፡ ንገረድካ ዘክራ።” 32 ሽዑ፡ ዳዊት ንኣቢጋይል ከምዚ በላ፦ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትረኽብኒ ዝሰደደኪ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ይወደስ! 33 ልብምናኺ ኸኣ ይባረኽ! ንስኺ እውን ናብ ዕዳ ደም ካብ ምእታውን ብኢደይ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ስለ ዝዓገትክኒ፡+ ብርኽቲ ኹኒ። 34 ከምቲ እቲ ንዓኺ ኸይጐድኣኪ+ ዝዓገተኒ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ህያው ዝዀነ፡ ክትረኽብኒ ኢልኪ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመጺ ኔርክስ፡+ ንናባል ክሳዕ ንግሆ ኻብቶም ተባዕትዮኡ* ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ።”+ 35 ሽዑ፡ ዳዊት፡ እቲ ዘምጽኣትሉ ተቐበላ፡ “ብሰላም ናብ ቤትኪ ደይቢ። ርኣዪ፡ ሰሚዐክስ፡ ከምቲ ዝለመንክዮ ሕራይ ኢለኪ ኣለኹ” ድማ በላ። 36 ኣቢጋይል ከኣ ናብ ናባል ተመልሰት፣ ንሱ ድማ ኣብ ቤቱ ኸም ድግስ ንጉስ ዝበለ ደጊሱ ነበረ። ልቢ ናባል ከኣ ተሓጒሱ ነበረ፣ ንሱ ድማ ኣዝዩ ሰኺሩ ነበረ። ንሳ ኸኣ ክሳዕ ዚነግህ ሓንቲ እኳ ኣይነገረቶን። 37 ንግሆ ናባል ስኽራኑ ምስ ወጸሉ፡ እታ ሰበይቱ እዚ ነገር እዚ ነገረቶ። ሽዑ፡ ልቡ ኸም ናይ ምዉት ሰብ ኰነ፡ ለሚሱ እውን ከም እምኒ ዀነ። 38 ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ዚኣክል ድማ፡ የሆዋ ንናባል ወቕዖ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ። 39 ዳዊት ድማ ናባል ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡ “ነቲ ኻብ ናባል ዝበጽሓኒ ጕዳይ ውርደተይ+ እተማጐተለይን+ ንጊልያኡ ኽፉእ ካብ ምግባር ዝሓለወንን የሆዋ ይወደስ!+ የሆዋ ኸኣ ንኽፍኣት ናባል ናብ ርእሱ መሊስዎ” በለ። ሽዑ፡ ዳዊት ንኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ኢሉ ልኢኹ ሓተታ። 40 እቶም ገላዉ ዳዊት ድማ ናብ ኣቢጋይል ናብ ቀርሜሎስ መጺኦም፡ “ዳዊት፡ ሰበይቱ ኽትኰንዮ ኺወስደኪ ኢሉ ናባኺ ልኢኹና” በልዋ። 41 ንሳ ኸኣ ብኡብኡ ተንሲኣ፡ ብገጻ ኣብ ምድሪ ተደፍአት፡ “ገረድ ኰይነ ኣእጋር ገላዉ ጐይታይ ክሓጽብሲ+ እነኹ ግዝእትኻ” ድማ በለት። 42 ኣቢጋይል+ ከኣ ቀልጢፋ ተንሲኣ ኣድጊ ተወጥሐት፡ ሓሙሽተ ኣግራዳ ድማ ደድሕሪኣ ሰዓባ፣ ምስቶም ልኡኻት ዳዊት ከኣ ከደት፡ ሰበይቱ እውን ኰነት። 43 ዳዊት ድማ ንኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤል+ ተመርዓዋ፣ ክልቲአን ከኣ ኣንስቱ ዀና።+ 44 ሳኦል ግና ንጓሉ ሚካል፡+ ሰበይቲ ዳዊት፡ ንጳልጢ+ ወዲ ላይሽ ብዓል ጋሊም ሂብዎ ነበረ። 10 ሽዑ፡ ሳሙኤል ሓደ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ።+ ስዒሙ ድማ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣብ ልዕሊ ርስቱ+ መራሒ ኽትከውን ደይኰነን ዝቐብኣካ፧+ 2 ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፡+ ኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጸልጻሕ ክልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፣ ንሳቶም ከኣ፡ ‘እተን ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካ ኣእዱግ ተረኺበን፣ ሕጂ ግና ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉስ፡+ “ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር እየ፧” እናበለ ብዛዕባኻ ይጭነቕ ኣሎ’ ኺብሉኻ እዮም። 3 ካብኡ ሓሊፍካ ናብ ዓብዪ ኦም ታቦር ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ኣብኡ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ቤት-ኤል+ ዚድይቡ ሰለስተ ሰባት፡ ሓዲኦም ሰለስተ ማሕስእ፡ ሓዲኦም ሰለስተ እንጌራ፡ ሓዲኦም ከኣ ገንኢ ወይኒ ጾይሩ ኽትረክብ ኢኻ። 4 ብዛዕባ ድሕንነትካ ኺሓትቱኻ፡ ክልተ እንጌራ ድማ ኪህቡኻ እዮም፣ ንስኻ እውን ነቲ እንጌራ ተቐበሎም። 5 ድሕርዚ፡ ናብቲ ዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዅርባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክትመጽእ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትመጽእ ከለኻ፡ ጕጅለ ነብያት ካብቲ በሪኽ ኪወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፣ ቀቅድሚኦም በገናን ከበሮን ሻምብቆን መሰንቆን* ኪውቃዕ ከሎ ድማ፡ ንሳቶም ኪንበዩ እዮም። 6 መንፈስ የሆዋ ኸኣ ኣኽእሎ ኺህበካ እዩ፣+ ምሳታቶም ድማ ክትንበ፡ ናብ ካልእ ሰብ እውን ክትልወጥ ኢኻ።+ 7 እዚ ምልክታት እዚ ምስ ተፈጸመ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳኻ ስለ ዝዀነ፡ ኢድካ እትኽእሎ ዘበለ ግበር። 8 ሽዑ፡ ቅድመይ ናብ ጊልጋል ውረድ፣+ ኣነ ኸኣ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ከቕርብ ናባኻ ናብኡ ኽወርድ እየ። ኣነ ኽሳዕ ዝመጸካ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ተጸበ። ሽዑ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኽነግረካ እየ።” 9 ሳኦል ካብ ሳሙኤል ኪኸይድ ዝባኑ ምስ መለሰ፡ ኣምላኽ ንልቡ ኸም ናይ ካልእ ገይሩ ለወጠሉ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኵሉ እዚ ምልክታት እዚ ተፈጸመ። 10 ካብኡ ድማ ናብታ ዅርባ ኸዱ፣ ጕጅለ ነብያት ከኣ ተቐበልዎ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣኽእሎ ሃቦ እሞ፡+ ኣብ መንጎኦም ኰይኑ ተነበየ።+ 11 ኵሎም እቶም ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ፡ ምስ ነብያት ኰይኑ ኺንበ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ “ወዲ ቂስ ደኣ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ሳኦል እውንዶ ምስ ነብያት እዩ፧” ተባሃሃሉ። 12 ሓደ ኣብኡ ዚነብር ሰብኣይ ከኣ፡ “ንዓታቶምከ መን ድዩ ኣቦኦም፧” በለ። ስለዚ እዩ፡ “ሳኦል እውንዶ ምስ ነብያት እዩ፧” ዚብል ብሂል* ዝዀነ።+ 13 ተነብዩ ምስ ወድአ ድማ፡ ናብቲ በሪኽ መጸ። 14 ሓው ኣቦ ሳኦል ከኣ ንዕኡን ንጊልያኡን፡ “ናበይ ኬድኩም ኔርኩም፧” በሎም። ንሱ ድማ፡ “ኣእዱግ ክንደሊ፣+ ኣብኡ ኸም ዘየለዋ ምስ ረኣና ግና፡ ናብ ሳሙኤል ኬድና” በሎ። 15 ሓው ኣቦ ሳኦል ድማ፡ “ሳሙኤል እንታይ ኢሉኩም፧ በጃኻ ንገረኒ” ኢሉ ሓተተ። 16 ሳኦል ከኣ ንሓው ኣቦኡ፡ “ኣእዱግ ድሮ ኸም እተረኽባ ነጊሩና” በሎ። እቲ ሳሙኤል ብዛዕባ ነገር ንግስና ዝበሎ ግና ኣይነገሮን። 17 ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ናብ የሆዋ ኣብ ሚጽጳ ጸውዖም፣+ 18 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ንእስራኤል ካብ ግብጺ ዘደየብክዎ፡ ካብ ኢድ ግብጽን+ ካብ ኢድ ኵለን ዚጭቍናኹም ዝነበራ መንግስትታትን ዘናገፍኩኹም ኣነ እየ። 19 ሎሚ ግና ንስኻትኩም ነቲ ኻብ ኵሉ ኽፉእን ጭንቅን ዜድሕነኩም ኣምላኽኩም ንዒቕኩምዎስ፡+ “ኣይፋልን፡ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ኣንግሰልና” ኢልኩም። ሕጂ ኸኣ፡ በብነገድኩምን በብሽሕኩምን* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በሉ።’” 20 ሳሙኤል ከኣ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፣+ ነገድ ብንያም ድማ ተሓርየ።+ 21 ንነገድ ብንያም ከኣ በብዓሌቱ ኣቕረቦ፣ ዓሌት ማትራውያን ድማ ተሓርየ። ድሕርዚ፡ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓርየ።+ ምስ ደለይዎ ግና፡ ኣይተረኽበን። 22 ስለዚ፡ “እቲ ሰብኣይ ናብዚዶ መጺኡ ኣሎ፧” ኢሎም ንየሆዋ ሓተትዎ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣብ መንጎ ኣቕሑ ተሓቢኡ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። 23 ጐይዮም ድማ ካብኡ ኣምጽእዎ። ንሱ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ኸኣ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ መንኵቡ ንላዕሊ ነውሖ።+ 24 ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “እቲ የሆዋ ዝሓረዮ፡+ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየልቦ ርኢኹምዶ፧” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” ኢሎም ጨደሩ። 25 ሽዑ፡ ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ብዛዕባ ግቡእ ነገስታት ነገሮ፡+ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንበሮ። ሳሙኤል ከኣ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ። 26 ሳኦል እውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ኸደ፣ የሆዋ ልቦም ዝተንከዮም ጀጋኑ ድማ ምስኡ ኸዱ። 27 ገሊኦም ዘይጠቕሙ ሰባት ግና፡ “እዚ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኼድሕነና እዩ፧” በሉ።+ ስለዚ፡ ነዓቕዎ፡ ህያብ ድማ ኣየምጽኡሉን።+ ንሱ ግና ብዛዕባኡ ሓንቲ እኳ ኣይበለን።* 14 ሓደ መዓልቲ፡ ዮናታን+ ወዲ ሳኦል ነቲ ኣጽዋሩ ዚስከም ጊልያኡ፡ “ንዓናይ፡ ናብቲ ኣብ ስግር ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር” በሎ። ንኣቦኡ ግና ኣይነገሮን። 2 ሳኦል ድማ ኣብ ወሰን ጊብዓ+ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ሚግሮን ዘላ ኦም ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፣ ኣስታት 600 ሰባት ከኣ ምስኡ ነበሩ።+ 3 (ኣሒያ ወዲ ኣሒጡብ፡+ ሓው ኢካቦድ፡+ ወዲ ፊንሃስ፡+ ወዲ ኤሊ፡+ እቲ ኣብ ሺሎ ኻህን የሆዋ ዝነበረ ድማ፡+ ኤፎድ ይጸውር ነበረ።)+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈለጠን ነበረ። 4 ኣብ መንጎ እቲ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ኪሳገረሉ ዝደለየ መሳገሪታት ብሓደ ሸነኽ ስኒ ዝመስል ከውሒ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ እውን ስኒ ዚመስል ከውሒ ነበረ፣ ስም እቲ ሓደ ቦጼጽ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔህ ነበረ። 5 እቲ ሓደ ኸውሒ ብሰሜን ናብ ሚኽማሽ ገጹ ዝገበረ ሓወልቲ ነበረ፣ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብደቡብ ናብ ጌባዕ ገጹ ገይሩ ነበረ።+ 6 ዮናታን ድማ ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “ንዓናይ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግዙራት እዚኦም ንሳገር።+ የሆዋ ብብዙሓት ኰነ ብሒደት ካብ ምድሓን ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር ስለ ዘየልቦ፡ ምናልባት የሆዋ ገለ ይገብረልና ይኸውን” በሎ።+ 7 እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ፡ “ልብኻ ዚድርኸካ ዘበለ ግበር። ናብ ዝደለኻዮ ኺድ፡ ልብኻ ናብ ዚድርኸካ ዘበለ ድማ ኣነ ኽስዕበካ እየ” በሎ። 8 ዮናታን ከኣ፡ “ናብቶም ሰባት ክንሳገርን ክንረኣዮምን ኢና። 9 ‘ክሳዕ እንመጸኩም ደው በሉ’ እንተ ኢሎምና፡ ኣብቲ ዘለናዮ ንጸንሕ፡ ናባታቶም እውን ኣይንድይብን። 10 ‘ናባና ደይቡ’ እንተ ኢሎምና ግና፡ የሆዋ ንዓታቶም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ እሞ፡ ክንድይብ ኢና። እዚ ምልክት ኪዀነና እዩ” በለ።+ 11 ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተራእይዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ “እንሆ፡ እብራውያን ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወጹ ኣለዉ” በሉ።+ 12 እቶም ሰብ ጭፍራ ድማ ንዮናታንን ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩን፡ “ናባና ደይቡ እሞ፡ ከነርእየኩም ኢና” በልዎም።+ ሽዑ፡ ዮናታን ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “የሆዋ ኣብ ኢድ እስራኤል ኪህቦም እዩ እሞ፡ ስዓበኒ” በሎ።+ 13 ዮናታን ከኣ ብኣእዳዉን ብኣእጋሩን ሓዀረ፣ እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ድማ ደድሕሪኡ ነበረ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዮናታን ወደቑ፣ እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ እውን ደድሕሪኡ ዀይኑ ይቐትሎም ነበረ። 14 ኣብቲ ዮናታንን እቲ ተሰካም ኣጽዋሩን ዝገበርዎ ቐዳማይ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ንውሓት ትልሚ ናይ መዓል ጽምዲ እትኣክል ግራት ኣስታት 20 ሰባት ቀተሉ። 15 ሽዑ፡ ኣብቲ ሰፈር መሮርን ኣብ ኵሎም እቶም ሰብ ጭፍራን ሽበራ ሰፈነ፣ እቶም ወረርቲ+ እውን ከይተረፉ ተሸበሩ። ምድሪ ድማ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣምላኽ ከኣ ሽበራ ሰደደ። 16 እቶም ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ዝነበሩ ሓለውቲ ሳኦል ድማ፡+ እቲ ህውከት ናብ ኵሉ ኣንፈት የስፋሕፍሕ ከም ዘሎ ረኣዩ።+ 17 ሳኦል ድማ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢ፡ “በጃኹም እስከ፡ ቈጺርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ርኣዩ” በሎም። ንሳቶም ምስ ቈጸሩ ኸኣ፡ ዮናታንን እቲ ተሰካም ኣጽዋሩን ኣብኡ ኣይነበሩን። 18 በቲ ግዜ እቲ* ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ነበረ እሞ፡ ሳኦል ንኣሒያ፡+ “ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብዚ ኣምጽእ” በሎ። 19 ሳኦል ነቲ ኻህን እናተዛረቦ ኸሎ፡ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ህውከት እናበርትዐ ኸደ። ሳኦል ድማ ነቲ ኻህን፡ “ሕደጎ”* በሎ። 20 ሳኦልን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ከኣ ተኣኪቦም ናብቲ ውግእ ከዱ፣ ኣብኡ ድማ ፍልስጥኤማውያን ንሓድሕዶም ብሰይፊ ኺዋግኡ ጸንሕዎም፣ ኣዝዩ ዓብዪ ዕግርግር ከኣ ነበረ። 21 እቶም ኣቐዲሞም ምስ ፍልስጥኤማውያን ወጊኖም ዝነበሩ እሞ ምሳታቶም ናብቲ ሰፈር ደዪቦም ዝነበሩ እብራውያን እውን፡ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ኰኑ። 22 ኵሎም እቶም ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ተሓቢኦም ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ከኣ፡+ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሃደሙ ሰምዑ፣ ንሳቶም እውን ናብቲ ውግእ ኣትዮም ሰጐጕዎም። 23 የሆዋ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ኣድሓኖ፣+ እቲ ውግእ ከኣ ክሳብ ቤት-ኣዌን በጽሐ።+ 24 ግናኸ፡ ሳኦል ነቲ ህዝቢ፡ “ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ክሳዕ ምሸት እንጌራ ዚበልዕ ርጉም ይኹን” ኢሉ ኣምሒልዎ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ሰብ እስራኤል ጸቕጢ በርቲዕዎም ነበረ። ካብቲ ህዝቢ ድማ ሓደ እኳ እንጌራ ኣይጠዓመን።+ 25 ኵሉ እቲ ህዝቢ* ኸኣ ናብ ዱር መጸ፣ መዓር ድማ ኣብ ምድሪ ነበረ። 26 እቲ ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መጸ፡ መዓር ኬንጠብጥብ ረኣየ፣ ነቲ ማሕላ ስለ ዝፈርሀ ግና፡ ሓደ እኳ ኢዱ ናብ ኣፉ ኣየእተወን። 27 ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቲ ህዝቢ ኼምሕሎ ኸሎ ኣይሰምዐን ነበረ፣+ ስለዚ፡ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ ዘርጊሑ በቲ ጫፋ ኣብቲ ጎጎ መዓር ጠምዐ። ኢዱ ናብ ኣፉ ምስ መለሳ ኸኣ፡ ኣዒንቱ በርሀ። 28 ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ህዝቢ፡ “ኣቦኻ፡ ‘ሎሚ እንጌራ ዚበልዕ ርጉም ይኹን’ ኢሉ ንህዝቢ ብጽኑዕ ኣምሒልዎ እዩ።+ ስለዚ እዩ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ደኺሙ ዘሎ” በሎ። 29 ዮናታን ግና፡ “ኣቦይ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ጭንቂ ኣምጺኡ* ኣሎ። ካብዚ መዓር ሒደት ስለ ዝጠዓምኩ፡ ኣዒንተይ ከመይ ከም ዝበርሃ ርኣዩ። 30 እዚ ህዝቢ ሎሚ ኻብቲ ዝረኸቦ ምርኮ ጸላእቱ ኣጸቢቑ እንተ ዚበልዕ ደኣ ኽንደይ ምጸበቐ ነይሩ!+ ሽዑስ ብዙሓት ፍልስጥኤማውያን ምተቐትሉ ነይሮም” በለ። 31 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ሚኽማሽ ክሳብ ኣያሎን+ ወቕዕዎም፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣዝዩ ደኸመ። 32 እቶም ህዝቢ ድማ ናብቲ ምርኮ ጐይዮም ኣባጊዕን ከብትን ምራኹትን ወሲዶም ኣብ ምድሪ ሓረዱ፣ ነቲ ስጋ ኸኣ ምስ ደሙ በልዕዎ።+ 33 ሽዑ፡ ንሳኦል፡ “እንሆ፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ስጋ ምስ ደሙ ብምብላዑ፡ ንየሆዋ ይብድሎ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ጠሊምኩም። ሕጂ ሕጂ፡ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊልኩም ኣምጽኡለይ” በለ። 34 ሳኦል ድማ፡ “ኣብቲ ህዝቢ ፋሕ ኢልኩም፡ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ብዕራዩን በጊዑን ናብዚ ኣምጺኡ ሓሪዱ ይብላዕ። ስጋ ምስ ደሙ ብምብላዕ፡ ንየሆዋ ኣይትበድልዎ’ በልዎም” በለ።+ ነፍሲ ወከፎም ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ብዕራዩ ምስኡ ኣምጽአ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓረዶ። 35 ሳኦል ድማ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ።+ እቲ ንየሆዋ ዝሰርሓሉ ቐዳማይ መሰውኢ እዚ ነበረ። 36 ሳኦል ከኣ፡ “ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፡ ክሳዕ ዚነግህ ድማ ንዝመቶም። ሓደ ሰብ እኳ ኣይነትርፈሎም” በለ። ንሳቶም ድማ፡ “ኣብ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ዝመሰለካ ዘበለ ግበር” በሉ። እቲ ኻህን ከኣ፡ “ኣብዚ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንቕረብ” በለ።+ 37 ሳኦል ድማ ንኣምላኽ፡ “ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ፧+ ኣብ ኢድ እስራኤልከ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣምላኽ ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣይመለሰሉን። 38 ሳኦል ከኣ፡ “ኵልኹም ኣሕሉቕ ህዝቢ፡ ናብዚ ንዑ እሞ፡ ሎሚ እንታይ ሓጢኣት ከም እተገብረ መርሚርኩም ፍለጡ። 39 ከምቲ እቲ ንእስራኤል ዘናገፈ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ዮናታን ወደይ እኳ እንተ ዀይኑ፡ ኪመውት እዩ” በለ። ካብቲ ህዝቢ ግና ሓደ እኳ ኣይመለሰሉን። 40 ሽዑ፡ ንዅሎም እስራኤል፡ “ንስኻትኩም ብሓደ ሸነኽ ኩኑ፣ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ሸነኽ ክንከውን ኢና” በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል፡ “ኣብ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ዝመሰለካ ግበር” በልዎ። 41 ሳኦል ድማ ንየሆዋ፡ “ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ ብቱሚም መልስ” በሎ።+ ሽዑ፡ ዮናታንን ሳኦልን ተሓርዩ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ሓራ ወጸ። 42 ሳኦል ድማ፡ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ወደይ ዮናታንን ዕጫ ኣውድቑ”+ በለ። ዮናታን ከኣ ተሓርየ። 43 ሳኦል ድማ ንዮናታን፡ “እንታይ ኢኻ ጌርካ፧ ንገረኒ” በሎ። ዮናታን ከኣ፡ “ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ሒደት መዓር ጥራይ እየ ጥዒመ።+ እነኹ፡ ክመውት ድሉው እየ” በሎ። 44 ሳኦል ድማ፡ “ዮናታን፡ እንተ ዘይሞይትካ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበር፡ ከምዚ ኸኣ ይወስኸሉ” በለ።+ 45 እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል፡ “እቲ ናብ እስራኤል እዚ ዓብዪ ዓወት* እዚ ዘምጽአ ዮናታንዶ ኺመውት እዩ፧+ እዝስ ዘይሕሰብ እዩ! ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ካብ ጸጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣስ ምስ ኣምላኽ ኰይኑ ዓይዩ እዩ” በልዎ።+ በዚ ኸምዚ፡ እቶም ህዝቢ ንዮናታን ከይመውት ኣናገፍዎ።* 46 ሳኦል ድማ ንፍልስጥኤማውያን ምስዓብ ሓደጎ፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ቦታኦም ከዱ። 47 ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንግስና ምስ ኣጽንዐ፡ ኣብ ዙርያኡ ምስ ዘለዉ ዅሎም ጸላእቱ፡ ምስ ሞኣባውያንን+ ምስ ዓሞናውያንን+ ምስ ኤዶማውያንን+ ምስ ነገስታት ጾባን+ ምስ ፍልስጥኤማውያንን+ ተዋግአ፣ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ኸኣ ሰዓረ። 48 ብትብዓት ተዋጊኡ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዓሮም፣+ ንእስራኤል እውን ካብ ኢድ ዘመትቱ ኣናገፎ። 49 ኣወዳት ሳኦል ከኣ ዮናታንን ዪሽዊን ማልኪ-ሹዓን ነበሩ።+ ክልተ ኣዋልድ ድማ ነበራኦ፣ ስም እታ ዓባይ ሜራብ፡+ ስም እታ ንእሽቶ ኸኣ ሚካል እዩ።+ 50 ስም ሰበይቲ ሳኦል ድማ ኣሒኖዓም እዩ፣ ንሳ ጓል ኣሒማዓጽ እያ። ስም ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብኔር+ ወዲ ኔር እዩ፣ ንሱ ሓው ኣቦ ሳኦል እዩ። 51 ቂስ+ ኣቦ ሳኦልን ኔር+ ኣቦ ኣብኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም። 52 ብዅሉ ዘመን ሳኦል ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ።+ ሳኦል ድማ ብርቱዕ ወይ ተባዕ ሰብኣይ ዘበለ እንተ ርእዩ፡ ናብ ኣገልግሎቱ ይኸትቦ ነበረ።+ 9 ካብ ብንያም ድማ ቂስ+ ዝስሙ ወዲ ኣቢኤል፡ ወዲ ጸሮር፡ ወዲ በኮራት፡ ወዲ ኣፊያሕ ዝዀነ ኣዝዩ ሃብታም ብንያማዊ+ ሰብኣይ ነበረ። 2 ንሱ ኸኣ ሳኦል+ ዝስሙ ጽቡቕ መንእሰይ ወዲ ነበሮ፣ ካብ እስራኤላውያን ድማ ካብኡ ዚጽብቕ ሰብ ኣይነበረን። ካብ መንኵቡ ንላዕሊ ኸኣ ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ይነውሕ ነበረ። 3 ኣእዱግ ቂስ ኣቦ ሳኦል ምስ ጠፍኣ፡ ቂስ ንሳኦል ወዱ፡ “በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉ ምሳኻ ውሰድ እሞ፡ ኬድካ ነተን ኣእዱግ ድለየን” በሎ። 4 ንሳቶም ከኣ ብኣኽራን ኤፍሬምን ብምድሪ ሻሊሻን ሓለፉ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ድማ ሓለፉ፣ እተን ኣእዱግ ግና ኣብኡ ኣይነበራን። ብዅላ ምድሪ ብንያማውያን ከኣ ሓለፉ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸብወንን። 5 ናብ ምድሪ ጹፍ ድማ መጹ፣ ሳኦል ከኣ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ጊልያኡ፡ “ኣቦይ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ሓዲጉስ፡ ብዛዕባና ኸይጭነቕ፡ ንዓናይ ንመለስ” በሎ።+ 6 እቲ ጊልያ ግና፡ “እንሆ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣሎ፣ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ እዩ። ኵሉ እቲ ዚብሎ እውን ብርግጽ ይፍጸም እዩ።+ ሕጂ ናብኡ ንኺድ። ምናልባት ናበየነይቲ መገዲ ኸም እንኸይድ ኪነግረና ይኽእል ይኸውን” ኢሉ መለሰሉ። 7 ሳኦል ከኣ ነቲ ጊልያኡ፡ “እንተ ኼድናስ፡ ነቲ ሰብኣይ እንታይ ክንወስደሉ ኢና፧ ኣብ ለቘታና እንጌራ የልቦን፣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እንወስደሉ ህያብ የብልናን። እንታይ እሞ ኣሎና፧” በሎ። 8 እቲ ጊልያ ድማ መሊሱ ንሳኦል፡ “እንሆ፡ ርብዒ ሲቃል* ብሩር ኣብ ኢደይ ኣሎ። ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ክህቦ እየ እሞ፡ ንሱ በየነይቲ መገዲ ኸም እንኸይድ ኪነግረና እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 9 (እዚ ሎሚ ነብዪ ዚብሃል ዘሎ፡ ቀደም ረኣዪ ይብሃል ነበረ እሞ፡ ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ሰብ ንኣምላኽ ኪሓትት ምስ ዚኸይድ፡ “ንዑ ናብ ረኣዪ+ ንኺድ” ይብል ነበረ።) 10 ሳኦል ድማ ነቲ ጊልያኡ፡ “ጽቡቕ ተዛሪብካ። ንዓናይ ንኺድ” በሎ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ናብ ዘለዋ ኸተማ ኸኣ ከዱ። 11 ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዜደይብ ዓቐበት ኪድይቡ ኸለዉ፡ ማይ ኪወርዳ ዚወጻ ኣዋልድ ረኸቡ። ንዓታተን ድማ፡ “እቲ ረኣዪ+ ኣብዚዶ ኣሎ፧” ኢሎም ሓተትወን። 12 ንሳተን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሎም፦ “እወ ኣሎ። እንሆ፡ ቀቅድሜኻ ኣሎ። እቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ይስውእ ስለ ዘሎ፡+ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መጺኡ ኣሎ እሞ፡ ቀልጥፍ። 13 ናብታ ኸተማ ምስ ኣቶኹም፡ ኪበልዕ ናብቲ በሪኽ ቅድሚ ምድያቡ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ነቲ መስዋእቲ ዚባርኾ ንሱ እዩ እሞ፡ እቲ ህዝቢ፡ ንሱ ኸይመጸ ኣይበልዕን እዩ። ድሕሪኡ፡ እቶም ዕዱማት ይበልዑ። ሕጂ ድማ፡ ቀልጢፍኩም ደይቡ እሞ፡ ክትረኽብዎ ኢኹም።” 14 ንሳቶም ከኣ ናብታ ኸተማ ደየቡ። ናብ ማእከል እታ ኸተማ ምስ መጹ፡ ሳሙኤል ናብቲ በሪኽ ንምድያብ ኪቕበሎም መጸ። 15 ሳኦል ቅድሚ ምምጻኡ ሓንቲ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ነጊርዎ* ነበረ፦ 16 “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኻብ ምድሪ ብንያም ሓደ ሰብኣይ ክሰድደልካ እየ።+ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኪኸውን ቅብኣዮ፣+ ንሱ ድማ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕኖ እዩ። ኣውያቶምሲ ናባይ በጺሑ እዩ፡ ጸበባ ህዝበይ ድማ ርእየ ኣለኹ።”+ 17 ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ የሆዋ፡ “እቲ ብዛዕባኡ፡ ‘እቲ ንህዝበይ ዜመሓድሮም* እዚ እዩ’ ዝበልኩኻ እንሆ” በሎ።+ 18 ሳኦል ድማ ኣብ ማእከል እቲ ኣፍ ደገ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ፡ “ቤት እቲ ረኣዪ ኣበይ እያ፧ በጃኻ ንገረኒ” በሎ። 19 ሳሙኤል ከኣ ንሳኦል፡ “እቲ ረኣዪ ኣነ እየ። ቀቅድመይ ናብቲ በሪኽ ደይብ፣ ሎሚ ድማ ምሳይ ክትበልዑ ኢኹም።+ ንግሆ ኸኣ ክሰድደካ እየ፣ ክትፈልጦ እትደልዮ ዅሉ* እውን ክነግረካ እየ። 20 ብዛዕባ እተን ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ዝጠፍኣ ኣእዱግ ድማ፡+ ተረኺበን እየን እሞ፡ ብዛዕባአን ኣይትጨነቕ። ኵሉ እቲ ናይ እስራኤል ዘበለ ተባሃጊ ንመን ድዩ፧ ንዓኻን ንቤት ኣቦኻን ደይኰነን፧” ኢሉ መለሰሉ።+ 21 ሳኦል ከኣ፡ “ኣነስ ብንያማዊ፡ ካብቶም ዝነኣሱ ነገዳት እስራኤል ደይኰንኩን፧+ ዓሌተይከ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዝነኣሰ ደይኰነን፧ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ኢልካ እትዛረበኒ ዘለኻ፧” ኢሉ መለሰ። 22 ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ጊልያኡን ናብቲ መመገቢ ኣዳራሽ ኣምጺኡ፡ ካብቲ ናይቶም ዕዱማት ዝበለጸ ቦታ ሃቦም፣ ኣስታት 30 ሰባት ከኣ ነበሩ። 23 ሳሙኤል ድማ ነቲ ኸሻኒ፡ “ነቲ፡ ‘በይኑ ኣንብሮ’ ኢለ ዝሃብኩኻ ግደ ኣምጽኣዮ” በሎ። 24 እቲ ኸሻኒ ኸኣ ነቲ እግርን ነቲ ኣብኡ ዝነበረን ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ፡ “እቲ እተሓዝአ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ ኣሎ። ‘ኣጋይሽ ዓዲመ ኣለኹ’ ስለ ዝበልክዎም፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኢሎም ንዓኻ እዮም ሓዚኦምልካ እሞ፡ ብላዕ” በለ። ሳኦል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ። 25 ካብቲ በሪኽ ናብታ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፡+ ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ምስ ሳኦል ተዛረበ። 26 ኣንጊሆም ከኣ ተንስኡ፣ ኪወግሕ ከሎ ድማ፡ ሳሙኤል ኣብ ናሕሱ ዀይኑ ንሳኦል፡ “ከሰናብተካስ ተዳሎ” በሎ። ሳኦል ከኣ ተዳለወ፣ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ግዳም ወጹ። 27 ናብ ወሰን እታ ኸተማ ኺወርዱ ኸለዉ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ “ነዚ ጊልያ+ ኪቕድመና ንገሮ” በሎ፣ ንሱ ኸኣ ቀዲምዎም ከደ። “ንስኻ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ከስምዓካስ፡ ሕጂ ደው በል” በሎ። 27 ዳዊት ግና ብልቡ፡ “ሓደ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ። ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን እንተ ኣምለጥኩ ይሕሸኒ።+ ሽዑ፡ ሳኦል ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል ንዓይ ምድላይ ኪሓድጎ እዩ፣+ ኣነ እውን ካብ ኢዱ ኸምልጥ እየ” በለ። 2 ዳዊት ድማ ተንሲኡ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ 600 ሰብኡት+ ናብ ኣኪሽ+ ወዲ ማዖክ፡ ንጉስ ጋት ከደ። 3 ዳዊት ከኣ፡ ንሱን ሰቡን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ እውን መምስ ቤተ ሰቡ፡ ምስ ኣኪሽ ኣብ ጋት ተቐመጠ። ምስ ዳዊት ድማ ክልቲአን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል+ እታ ቀርሜሎሳዊት ሰበይቲ ናባልን ነበራ። 4 ንሳኦል፡ ዳዊት ናብ ጋት ከም ዝሃደመ ምስ ተነግሮ ኸኣ፡ ንዕኡ ምድላይ ሓደጎ።+ 5 ዳዊት ድማ ንኣኪሽ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ኣብኣ ምእንቲ ክቕመጥ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ገጠር ዘለዋ ኸተማታት ቦታ ይወሃበኒ። ስለምንታይ ጊልያኻ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዚቕመጥ፧” በሎ። 6 ኣኪሽ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ጺቅላግ+ ሃቦ። ስለዚ እያ ጺቅላግ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ናይ ነገስታት ይሁዳ ዝዀነት። 7 ንውሓት እቲ ዳዊት ኣብ ገጠር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠሉ ግዜ፡* ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ነበረ።+ 8 ዳዊትን ሰቡን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን+ ንጊርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን+ ይወርርዎም ነበሩ፣ ንሳቶምሲ ኣብታ ኻብ ጠላም ክሳብ ሹር፡+ ክሳብ ምድሪ ግብጺ ዘላ ምድሪ ይነብሩ ነበሩ። 9 ዳዊት ነታ ምድሪ ኼጥቅዓ ኸሎ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ብህይወት ኣይሓድግን ነበረ፣+ ግናኸ፡ ጤለ በጊዕን ከብትን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ይወስድ እሞ፡ ድሕሪኡ ናብ ኣኪሽ ይምለስ ነበረ። 10 ኣኪሽ ከኣ፡ “ሎሚኸ ኣበይ ወሪርኩም፧” ኢሉ ይሓትቶ ነበረ። ዳዊት ድማ፡ “ኣብ ደቡብ* ይሁዳ”+ ወይ “ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያን”+ ወይ “ኣብ ደቡብ ቄናውያን”+ ኢሉ ይምልሰሉ ነበረ። 11 ዳዊት ከኣ፡ “‘ዳዊት ከምዚ ገይሩ’ ኢሎም ብዛዕባና ኸይነግርዎም” ኢሉ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ብህይወት ኣይሓድግን፡ ናብ ጋት እውን ኣየምጽኦምን ነበረ። (ኣብ ገጠር ፍልስጥኤማውያን ኣብ እተቐመጠሉ ዅሉ ግዜ ድማ፡ ልማዱ ኸምኡ ነበረ።) 12 ስለዚ፡ ኣኪሽ ንዳዊት፡ ‘ኣብ መንጎ ህዝቡ እስራኤል ብርግጽ ሕማቕ ጨና ዀይኑ እዩ እሞ፡ ንሓዋሩ ጊልያይ ኪኸውን እዩ’ ኢሉ ኣመኖ። 13 ሳኦል ኪነግስ ከሎ ወዲ . . .* ዓመት ነበረ፣+ ክልተ ዓመት ከኣ ኣብ እስራኤል ነገሰ። "2 ሳኦል ድማ ካብ እስራኤል 3,000 ሰብኡት ሓረየ፣ ካብዚኣቶም 2,000 ምስ ሳኦል ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ኣኽራን ቤት-ኤልን ነበሩ፣ እቶም 1,000 ከኣ ምስ ዮናታን+ ኣብ ጊብዓ+ ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።" 3 ዮናታን ከኣ ነቲ ኣብ ጌባዕ+ ዝነበረ ዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ፣+ ፍልስጥኤማውያን ድማ እዚ ሰምዑ። ሳኦል ከኣ፡ “እብራውያን ይስምዑ!” ኢሉ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ መለኸት ኣንፍሐ።+ 4 ኵሉ እስራኤል ድማ ነቲ፡ “ሳኦል ንዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ወቒዕዎ፣ ሕጂ ኸኣ እስራኤል ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያን ሕማቕ ጨና ዀይኑ ኣሎ” ዚብል ወረ ሰምዐ። እቶም ህዝቢ ድማ ንሳኦል ኣብ ጊልጋል ኪስዕብዎ ተኣከቡ።+ "5 ፍልስጥኤማውያን እውን 30,000 ሰረገላን 6,000 ፈረሰኛን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ሰራዊትን ሒዞም፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተኣከቡ፣+ ደዪቦም ድማ ኣብታ ብምብራቕ ቤት-ኣዌን+ ዘላ ሚኽማሽ ሰፈሩ።" 6 ሰብ እስራኤል ከኣ ጸቕጢ በርቲዕዎም ስለ ዝነበረ፡ ጭንቂ ኸም ዝዀኖም ረኣዩ፣ ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ በዓትታትን+ ኣብ ጕሕጓሓትን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ መዕቘሪታት ማይን ተሓብኡ። 7 ገሊኦም እብራውያን እውን ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ጊልዓድን ከዱ።+ ሳኦል ግና ገና ኣብ ጊልጋል ነበረ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ራዕራዕ እናበሉ ይስዕብዎ ነበሩ። 8 ክሳዕ እታ ሳሙኤል ዝመደባ ግዜ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ተጸበየ። ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፣ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ ይብል ነበረ። 9 ሳኦል ከኣ፡ “ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኣምጽኡለይ” በለ። ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ኣቕረበ።+ 10 ነቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕሪቡ ውድእ ምስ ኣበለ ግና፡ ሳሙኤል መጸ። ሳኦል ከኣ ኪቕበሎን ኪምርቖን ወጸ። 11 ሳሙኤል ድማ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧” በሎ። ሳኦል ከኣ፡ “እቲ ህዝቢ ይሓድገኒ ኸም ዘሎ፡+ ንስኻ ድማ ኣብቲ እተመደበ ግዜ ኸም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያን እውን ኣብ ሚኽማሽ ከም እተኣከቡ ርእየ።+ 12 ስለዚ፡ ‘ሕጂ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ኪወርዱ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ሞገስ የሆዋ ኣይለመንኩን’* ኢለ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ኽስውእ ተገዲደ” ኢሉ መለሰ። 13 ሽዑ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ከምዚ በሎ፦ “ዓሺኻ። እቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ኣይሓሎኻን።+ እንተ ትሕሉ ኔርካ፡ የሆዋ ንመንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም መጽንዓልካ ነይሩ። 14 ሕጂ ግና መንግስትኻ ኣይክትቀውምን እያ።+ የሆዋ ኸም ልቡ ዝዀነ ሰብኣይ ኪረክብ እዩ፣+ የሆዋ ዝኣዘዘካ ስለ ዘይሓሎኻ ድማ፡+ የሆዋ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መራሒ ኪኸውን ኪምዝዞ እዩ።”+ 15 ሳሙኤል ከኣ ካብ ጊልጋል ተንሲኡ ናብ ጊብዓ ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ድማ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢ ቘጸሮም፣ እቶም ገና ምስኡ ዝነበሩ፡ ኣስታት 600 ሰብኡት ኰኑ።+ 16 ሳኦልን ወዱ ዮናታንን እቲ ገና ምሳታቶም ዝነበረ ህዝብን ኣብ ጌባዕ ናይ ብንያም ተቐሚጦም ነበሩ።+ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ሚኽማሽ ሰፊሮም ነበሩ።+ 17 እቶም ወረርቲ ድማ ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ብሰለስተ ጭፍራ ይወጹ ነበሩ። እቲ ሓደ ጭፍራ ብመገዲ ዖፍራ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ሹዓል፡ 18 እቲ ኻልኣይ ጭፍራ ብመገዲ ቤት-ሖሮን፡+ እቲ ሳልሳይ ጭፍራ ኸኣ በታ ናብ ስንጭሮ ጸቦዒም ናብ ዜማዕዱ ዶብ እተምርሕ መገዲ ኣቢሉ ናብ በረኻ የብል ነበረ። 19 ፍልስጥኤማውያን፡ “እብራውያን ሰይፊ ወይ ኲናት ከይሰርሑ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ሓጓዳይ ኣይርከብን ነበረ። 20 ኵሎም እስራኤላውያን ከኣ ማሕረሻታቶም፡ ወይ መባሮታቶም፡ ወይ ፋሳቶም፡ ወይ ማዕጺዳቶም ንምትባዕ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይኸዱ ነበሩ። 21 ማሕረሻታትን መባሮታትን ሰለስተ ዝጨንፈሩ መስአታትን ፋሳትን ንምትባዕ፡ መጕጠዪ ብዕራይ* ከኣ ንምድላው ዋጋኡ ሓደ ፊም* ነበረ። 22 ብመዓልቲ ውግእ ከኣ፡ ኣብ ኢድ ኵሉ እቲ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታንን ዝነበረ ህዝቢ ሰይፊ ወይ ኲናት ኣይተረኽበን፣ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ጥራይ ኣጽዋር ነበሮም።+ 23 ሓደ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብቲ መሳገሪ ስንጭሮ ሚኽማሽ ወጸ።+ 5 ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ማረኽዎ፡+ ካብ ኤብንዔዘር ናብ ኣሽዶድ ኣምጽእዎ። 2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት* ዳጎን ኣምጽእዎ፡ ኣብ ጥቓ ዳጎን ድማ ኣቐመጥዎ።+ 3 ኣሽዶዳውያን ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ኣብኡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ብገጹ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ።+ ንዳጎን ወሲዶም ከኣ፡ ናብ ቦታኡ መለስዎ።+ 4 ንጽብሒቱ ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ድማ፡ ኣብኡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ብገጹ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ርእሲ ዳጎንን ክልቲአን ግናዕ ኢዱን ከኣ ተቘሪጸን፡ ኣብ ድርኵዂት እውን ወዲቐን ነበራ። እቲ ዓሳ ኽፋሉ ጥራይ* ተሪፉ ነበረ። 5 ስለዚ ድማ እዮም ካህናት ዳጎንን ኵሎም እቶም ናብ ቤት ዳጎን ዚኣትዉን፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነታ ኣብ ኣሽዶድ ዘላ ድርኵዂት ዳጎን ዘይረግጽዋ። 6 ኢድ የሆዋ ኸኣ ንኣሽዶዳውያን ከበደቶም፣ ንኣሽዶድን ንኸባቢኣን ብጀርባዶ* ወቒዑ ድማ ኣጥፍኦም።+ 7 ሰብ ኣሽዶድ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ “ኢዱ ንዓናን ንዳጎን ኣምላኽናን ሓሲማትና እያ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር” በሉ። 8 ስለዚ፡ ልኢኾም ንዅሎም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ኣከብዎም እሞ፡ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ፧” ኢሎም ሓተትዎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጋት ይግዓዝ” ኢሎም መለሱ።+ ስለዚ፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኣ ኣግዓዝዎ። 9 ናብኣ ምስ ኣግዓዝዎ፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻር እታ ኸተማ ብምዃና፡ ብርቱዕ ራዕዲ ኣምጽአት። ንሰብ እታ ኸተማ ድማ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ወቕዖም፣ ጀርባዶ ኸኣ ወጾም።+ 10 ሽዑ፡ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ሰደድዎ፣+ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ምስ መጸ ግና፡ ዔቅሮናውያን፡ “ንዓናን ንህዝብናን ኪቐትሉናስ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምጺኦምልና!” ኢሎም ጨርሑ።+ 11 ስለዚ፡ ልኢኾም ንዅሎም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፡ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ስደድዎ፣ ንዓናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቀትለናስ፡ ናብ ቦታኡ ይመለስ” በሉ። ከመይሲ፡ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ፍርሂ ሞት ሰፊኑ ነበረ፣ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ኣብኣ ኣዝያ ኸቢዳ ነበረት፣+ 12 እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ብጀርባዶ ተወቒዖም ነበሩ። ኣውያት እታ ኸተማ ኸኣ፡ ናብ ሰማያት ደየበ። 21 ዳዊት ድማ ናብ ኖብ+ ናብ ካህን ኣሒሜሌክ መጸ። ኣሒሜሌክ ንዳዊት ራዕራዕ እናበለ ተቐበሎ እሞ፡ “ስለምንታይ ደኣ ኢኻ በይንኻ ሰብ ዘይብልካ፧” በሎ።+ 2 ዳዊት ድማ ንኻህን ኣሒሜሌክ፡ “ንጉስ ሓደ ነገር ክገብር ኣዚዙኒ፣ ግናኸ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ዝልእከካ ተልእኾን ብዛዕባ እቲ ዝሃብኩኻ ትእዛዝን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጥ’ ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ ምስ ኣጕባዘይ ኣብ ሓንቲ ቦታ ኽንራኸብ ተቛጺረ እየ። 3 ሕጂ ድማ፡ ሓሙሽተ እንጌራ ምሳኻ እንተ ኣልዩ፡ ወይ ክትረኽቦ እትኽእል ዘበለ ሃበኒ” በሎ። 4 እቲ ኻህን ግና ንዳዊት፡ “ተራ እንጌራ የልቦን፣ እቶም ኣጕባዝ ናብ ኣንስቲ ዘይቀረቡ* እንተ ዀይኖም ግና፡+ ቅዱስ እንጌራ ኣሎ”+ ኢሉ መለሰሉ። 5 ዳዊት ከኣ ነቲ ኻህን፡ “ከምቲ ኣብ ዝቐደመ ኣጋጣሚታት ንወፈራ ኽወጽእ ከለኹ ዝነበረስ፡ ኣንስቲ ብርግጽ ናባና ኣይቀረባን።+ ተልእኾ ተራ ኪኸውን ከሎ እኳ ሰብነት እቶም ኣጕባዝ ቅዱስ ካብ ኰነ፡ ሎሚ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ቕዱስ ዘይከውን!” ኢሉ መለሰሉ። 6 እቲ ኻህን ድማ፡ ብዘይካ እቲ በታ እተወስደላ መዓልቲ ብሓድሽ እንጌራ ኺትካእ ተባሂሉ ኻብ ቅድሚ የሆዋ እተኣልየ እንጌራ ምርኣይ፡ እንጌራ ኣብኡ ስለ ዘይነበረ፡ ነቲ ቕዱስ እንጌራ ሃቦ።+ 7 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ሓደ ኻብ ገላዉ ሳኦል ኣብኡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐይዱ ነበረ። ንሱ ዶኤግ+ ዝስሙ ኤዶማዊ+ ኪኸውን ከሎ፡ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል ነበረ። 8 ዳዊት ድማ ንኣሒሜሌክ፡ “ኲናት ወይ ሰይፊዶ ምሳኻ ኣሎ፧ ተልእኾ ንጉስ ህጹጽ ስለ ዝነበረ፡ ሰይፈይ ወይ ኣጽዋረይ ኣይተማላእኩን” በሎ። 9 እቲ ኻህን ከኣ፡ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ስንጭሮ* ኤላህ ዝቐተልካዮ+ ጐልያድ+ ኣብዚ ብዓለባ ተጠቕሊሉ ብድሕሪ እቲ ኤፎድ ኣሎ።+ ኣብዚ ንሱ ጥራይ እዩ ዘሎ እሞ፡ ክትወስዶ እንተ ደሊኻ፡ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ድማ፡ “ከምኡ ዝበለ የልቦን። ሃበኒ” በለ። 10 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዳዊት ተንሲኡ ኻብ ሳኦል ሃደመ፣+ ናብ ኣኪሽ ንጉስ ጋት+ ከኣ መጸ። 11 ንኣኪሽ ድማ እቶም ገላዉኡ፡ “እዝስ ዳዊት፡ ንጉስ እታ ምድሪ ደይኰነን፧ እቲ እናሳዕስዓ፡‘ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ’ኢለን ዝደረፋሉ ደይኰነን፧”+ 12 ዳዊት ከኣ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፣ ንኣኪሽ ንጉስ ጋት ድማ ኣዝዩ ፈርሆ።+ 13 ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣእምሮ ዘይብሉ ብምምሳል፡+ ኣብ መንጎኦም* ከም ዕቡድ ኰነ። ንመዓጹ እቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ሓናጠጦ፡ ልዛዩ እውን ብጭሕሙ ጀበብ ይብል ነበረ። 14 ኣኪሽ ድማ ንገላዉኡ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ዕቡድ ምዃኑ ትርእይዎ ኣለኹም። ስለምንታይ ናባይ ኣምጺእኩምዎ፧ 15 እዚ ኣብ ቅድመይ ኪዓብድ ዘምጻእኩምለይሲ፡ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ፧ እዚዶ ናብ ቤተይ ይኣቱ፧” በሎም። 15 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዚ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ክቐብኣካ፡ የሆዋ ንዓይ ልኢኹኒ እዩ፣+ ሕጂ ኸኣ የሆዋ ዚብሎ ስማዕ።+ 2 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ንኣማሌቃውያን በቲ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ ኣብ መገዲ ብምጽራር ዝገበርዎ ነገር ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።+ 3 ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውቕዓዮም፣+ ምስ ዘለዎም ዘበለ ዅሉ ድማ ኣጥፍኣዮም።+ ኣይትንሓፎም፣* ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ፡ ቈልዓ ዀነ ሕጻን፡ ብዕራይ ኰነ በጊዕ፡ ገመል ኰነ ኣድጊ ቕተል።’”+ "4 ሽዑ፡ ሳኦል ነቶም ህዝቡ ኣኽቲቱ፡ ኣብ ጥላኢም ቈጸሮም፦ 200,000 ኣጋር ተዋጋእትን 10,000 ሰብ ይሁዳን ኰኑ።+ " 5 ሳኦል ከኣ ክሳብ ከተማ ኣማሌቅ ቀረበ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ስንጭሮ* ድማ ደባይ ገበረ። 6 ሳኦል ድማ ንቄናውያን፡+ “ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይቡ ኸለዉ፡ ብተኣማንነት ኣፍቂርካዮም ኢኻ እሞ፡+ ምሳታቶም ከይዅስትረካስ፡ ካብ መንጎ ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ኪዱ” በሎም።+ ቄናውያን ከኣ ካብ ማእከል ኣማሌቅ ኣልገሱ። 7 ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን+ ካብ ሓዊላ+ ኽሳብ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር+ ወቕዖም። 8 ንኣጋግ+ ንጉስ ኣማሌቅ ከኣ ብህይወቱ ኸሎ ሓዞ፣ ንዅሎም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ብሰይፊ ኣጥፍኦም።+ 9 ግናኸ፡ ሳኦልን እቲ ህዝብን ንኣጋግን ነተን ብሉጻት ጤለ በጊዕን ከብትን ስቡሓት እንስሳታትን ደዓውልን ንዅሉ ጽቡቕ ዘበለን ነሓፍዎ።*+ ኬጥፍእዎም ድማ ኣይደለዩን። ነቲ ዘይጠቅምን ዘይድለን ዘበለ ጥሪት ግና፡ ኣጥፍእዎ። 10 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ናብ ሳሙኤል መጸ፦ 11 “ሳኦል ካብ ምስዓበይ ስለ እተመልሰን ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመን፡ ንዕኡ ብምንጋሰይ ተጣዒሰ* ኣለኹ።”+ ሳሙኤል ድማ ኣዝዩ ጐሃየ፣ ምሉእ ለይቲ ኸኣ ናብ የሆዋ ተማህለለ።+ 12 ሳሙኤል ንሳኦል ኪረኽቦ ኣንጊሁ ምስ ተንስአ፡ ንሳሙኤል፡ “ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ ከይዱ፣+ ኣብኡ ድማ ንርእሱ ዚኸውን ሓወልቲ ኣቚሙ።+ ድሕሪኡ፡ ዞይሩ ናብ ጊልጋል ወሪዱ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። 13 ሳሙኤል ከኣ ናብ ሳኦል መጸ፣ ሳኦል ከኣ፡ “የሆዋ ይባርኽካ። ቃል የሆዋ ፈጺመ እየ” በሎ። 14 ሳሙኤል ግና፡ “እዚ ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘለኹ ደሃይ ጤለ በጊዕን ደሃይ ከብትን ደኣ እንታይ እዩ፧” በለ።+ 15 ሳኦል ድማ፡ “እቶም ህዝቢ ኻብተን ጤለ በጊዕን ከብትን ዘዝበለጻ ንየሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኺስውእወን ኢሎም ስለ ዝነሓፍወን፡* ካብ ኣማሌቃውያን ዘምጽእወን እየን፣ ነተን ዝተረፋ ግና ኣጥፊእናየን ኢና” በሎ። 16 ሽዑ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ “ይኣክል! የሆዋ ትማሊ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካ” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ተዛረብ” በሎ። 17 ሳሙኤል ከኣ፡ “ንስኻ ርእሲ ነገዳት እስራኤል ክትከውን ከለኻ፡ የሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኪቐብኣካ ኸሎ፡+ ኣብ ኣዒንትኻዶ ንእሽቶ ኣይነበርካን፧+ 18 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣን ኣማሌቃውያን ኣጥፍኣዮም።+ ክሳዕ ዚጸንቱ ድማ ተዋግኣዮም’+ ኢሉ ተልእኾ ሂቡ ሰዲዱካ። 19 ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ድምጺ የሆዋ ዘይተኣዘዝካ፧ የግዳስ፡ ናብቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ዝዀነ ምርኮ ብህርፋን ጐዪኻ” በሎ።+ 20 ግናኸ፡ ሳኦል ንሳሙኤል፡ “ድምጺ የሆዋ ግና ተኣዚዘ እየ። ናብቲ የሆዋ ዝለኣኸኒ ተልእኾ ኸይደ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ድማ ኣምጽኤዮ፡ ንኣማሌቃውያን እውን ኣጥፊአዮም።+ 21 እቲ ህዝቢ ግና ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ፡ ካብቲ ምርኮ ኣባጊዕን ከብትን፡ ካብቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ድማ ዘዝበለጻ ወሲዱ” በሎ።+ 22 ሳሙኤል ከኣ፡ “ንየሆዋስ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ንድምጺ የሆዋ እዙዝ ምዃን ገይሩዶ ባህ የብሎ እዩ፧+ እንሆ፡ ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ፡+ ኣቓልቦ ድማ ካብ ስብሒ+ ደዓውል፣ 23 ዕልወትሲ+ ኸም ሓጢኣት ጥንቈላ እዩ፡+ ድፍረት ከኣ ከም ስሒርን ኣምልኾ ጣኦትን* እዩ። ቃል የሆዋ ስለ ዝነዓቕካ፡+ ንሱ ድማ ንጉስ ከይትኸውን ንዒቑካ ኣሎ”+ በሎ። 24 ሳኦል ከኣ ንሳሙኤል፡ “ነቶም ህዝቢ ፈሪሀ ነቲ ዝበልዎ ስለ ዝሰማዕኩ፡ ትእዛዝ የሆዋን ቃልካን ጥሒሰ እየ እሞ፡ ሓጢአ። 25 ሕጂ ድማ፡ በጃኻ ሓጢኣተይ ሕደገለይ፡ ንየሆዋ ኽሰግድ ከኣ ምሳይ ተመለስ” በሎ።+ 26 ሳሙኤል ግና ንሳኦል፡ “ቃል የሆዋ ንዒቕካ ኢኻ፡ የሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ከይትኸውን ንዒቑካ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኣይምለስን እየ” በሎ።+ 27 ሳሙኤል ኪኸይድ ገጹ ምስ መለሰ፡ ሳኦል ብጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሹ ኣጽኒዑ ሓዞ እሞ፡ ተቐድደ። 28 ሳሙኤል ድማ፡ “የሆዋ ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲድዋ ኣሎ፡ ካባኻ ንዚሓይሽ ብጻይካ ኸኣ ኪህቦ እዩ።+ 29 እቲ ናይ እስራኤል ብሉጽሲ+ ሓሳቡ ኸይልውጥ* ሰብ ኣይኰነን እሞ፡ ኣይሕሱን+ ወይ ሓሳቡ ኣይልውጥን* እዩ”+ በሎ። 30 ንሱ ኸኣ፡ “ሓጢአ፣ በጃኻ ግዳ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ። ምሳይ ተመለስ እሞ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኽሰግድ እየ” በሎ።+ 31 ሳሙኤል ድማ ደድሕሪ ሳኦል ተመልሰ፣ ሳኦል ከኣ ንየሆዋ ሰገደሉ። 32 ድሕርዚ፡ ሳሙኤል፡ “ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጽኡለይ” በለ። ኣጋግ ድማ፡ ‘ስግኣት* ሞትሲ ብርግጽ ሓሊፉ እዩ’ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣጋግ ማእደድ እናበለ* መጸ። 33 ሳሙኤል ግና፡ “ከምቲ ሰይፍኻ ንኣንስቲ ውሉዳት ዘይብለን ዝገበረተን፡ ከምኡ ኸኣ ኣዴኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ውላድ ዘይብላ ትኹን” በለ። ሽዑ፡ ሳሙኤል ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ጊልጋል ቈራረጾ።+ 34 ሳሙኤል ድማ ናብ ራማ ኸደ፣ ሳኦል ከኣ ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ደየበ። 35 ሳሙኤል ብሳኦል ይሓዝን ነበረ እሞ፡ ሳሙኤል ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ መሊሱ ንሳኦል ኣይረኣዮን።+ የሆዋ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተጣዕሰ።+ 22 ዳዊት ድማ ካብኡ ኸይዱ+ ናብ በዓቲ ዓዱላም ኣምለጠ።+ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብኡ ወረዱ። 2 ኵሎም እቶም ጭንቅን ዕዳን መረረትን* ዘለዎም ከኣ ናብኡ ተኣከቡ፣ ንሱ ድማ ሓለቓኦም ኰነ። ምስኡ ኸኣ ኣስታት 400 ሰብኡት ነበሩ። 3 ዳዊት ድማ ካብኡ ናብ ሚጽጰ ናይ ሞኣብ ከደ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ፡+ “ኣምላኽ ዚገብረኒ ኽሳዕ ዝፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣቦይን ኣደይን ምሳኻትኩም ይጽንሑ” በሎ። 4 ምስ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ሓደጎም፣ ኣብ ኵሉ እቲ ዳዊት ኣብ ዕርዲ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ንሳቶም ምስኡ ጸንሑ።+ 5 ነብዪ ጋድ+ ከኣ ንዳዊት፡ “ኣብዚ ዕርዲ ኣይትቀመጥ። ካብኡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ።+ ስለዚ፡ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሓረት መጸ። 6 ሳኦል ድማ፡ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከም እተረኽቡ ሰምዐ። ሳኦል ከኣ ኣብ ጊብዓ+ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣብ በሪኽ ቦታ ዘሎ ኦም ዕቦል፡ ኲናቱ ሒዙ ተቐሚጡ ነበረ፣ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ኣብ ዙርያኡ ደው ኢሎም ነበሩ። 7 ሽዑ፡ ሳኦል ነቶም ኣብ ዙርያኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ገላዉኡ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ብንያማውያን፡ በጃኹም እስከ ስምዑ። ወዲ እሴይሲ+ ንዅላትኩምዶ ግራውትን ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ፧ ንዅላትኩምዶኸ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ገይሩ ኺሸመኩም እዩ፧+ 8 ኵላትኩም ውዲት ኣሊምኩምለይ ኣለኹም! ወደይ ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም እተኣታተወ፡ ሓደ እኳ ኣይነገረንን!+ ወደይ ንጊልያይ ከምዚ ሕጂ ገይርዎ ዘሎ ንምድባይ ኬለዓዕሎ ኸሎ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝደንገጸለይን ዝነገረንን የልቦን።” 9 ሽዑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ገላዉ ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ ዶኤግ+ እቲ ኤዶማዊ፡+ “ወዲ እሴይ ናብ ኖብ ናብ ኣሒሜሌክ ወዲ ኣሒጡብ መጺኡ ርእየዮ።+ 10 ንሱ ድማ ንየሆዋ ሓቲቱሉ፡ ስንቂ ኸኣ ሂብዎ። ሰይፊ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ እውን ሂብዎ”+ ኢሉ መለሰ። 11 ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣሒጡብን ንዅሎም እቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናት ቤት ኣቦኡን ልኢኹ ጸውዖም። ኵላቶም ከኣ ናብ ንጉስ መጹ። 12 ሳኦል ድማ፡ “ኣታ ወዲ ኣሒጡብ፡ በጃኻ እስከ ስምዓኒ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ። 13 ሳኦል ድማ፡ “ንዕኡ እንጌራን ሰይፍን ብምሃብካ፡ ንኣምላኽ እውን ብምሕታትካ፡ ንስኻን ወዲ እሴይን ስለምንታይ ኢኹም ውዲት ዝኣለምኩምለይ፧ ንሱ ይጻረረኒ ኣሎ፡ ከምዚ ሕጂ ገይርዎ ዘሎ ኸኣ ኣድብዩለይ ኣሎ” በሎ። 14 ኣሒሜሌክ ድማ ንንጉስ፡ “ካብ ኵሎም ገላዉኻኸ ኸም ዳዊት ገይሩ እሙን ዝዀነ መን ኣሎ፧+ ንሱ ሰብኣይ ጓል ንጉስን+ ሓለቓ ዘብዐኛታትካን ኣብ ቤትካ ኽቡርን እዩ።+ 15 ሎሚ ድየ ንፈለማ ግዜ ንኣምላኽ ሓቲተሉ፧+ እዚ እትብሎ ዘለኻ፡ ብኣይ ዘይሕሰብ እዩ! ጊልያኻ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ንጉስ ንጊልያኡን ንብዘላ ቤት ኣቦይን ዋላ ሓንቲ ኣይሓዘሎም” ኢሉ መለሰሉ።+ 16 ንጉስ ግና፡ “ኣሒሜሌክ፡ ንስኻን ብዘላ ቤት ኣቦኻን ብርግጽ ክትሞቱ ኢኹም” በለ።+ 17 ንጉስ ከኣ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓለውቲ፡* “ምስ ዳዊት ስለ ዝወገኑ፡ ዜርኩም ንኻህናት የሆዋ ቕተልዎም! ከም ዝሃደመ ፈሊጦም ክነሶም ኣይነገሩንን” በሎም። እቶም ገላዉ ንጉስ ግና ንኻህናት የሆዋ ኪወቕዑ ኢሎም ኢዶም ኬልዕሉ ኣይደለዩን። 18 ንጉስ ድማ ንዶኤግ፡+ “ንስኻ ዜርካ ነዞም ካህናት ውቕዓዮም!” በሎ። ብኡብኡ፡ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ+ ኸይዱ፡ ነቶም ካህናት ወቕዖም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ በፍታ ኤፎድ እተኸድኑ 85 ሰብኡት ቀተለ።+ 19 ንኖብ+ ከተማ ኻህናት እውን ብሰይፊ ወቕዓ፣ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ቈልዑን ሕጻናትን፡ ብዕራይን ኣድግን በጊዕን ብሰይፊ ወቕዐ። 20 ኣብያታር+ ዝስሙ ወዲ ኣሒሜሌክ፡ ወዲ ኣሒጡብ ግና ኣምለጠ፡ ንዳዊት ኪስዕብ ከኣ ሃደመ። 21 ኣብያታር ከኣ ንዳዊት፡ “ሳኦል ንኻህናት የሆዋ ቐቲልዎም” ኢሉ ነገሮ። 22 ዳዊት ድማ ንኣብያታር፡ “ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ኸሎ፡ ንሳኦል ብርግጽ ከም ዚነግሮ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈሊጠ ነይረ።+ ብሞት ኵሎም* ቤት ኣቦኻ ኣነ ተሓታቲ እየ። 23 ምሳይ ኩን። እቲ ንህይወትካ* ዚደልያስ፡ ንህይወተይ* ይደልያ እዩ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ ዕቝባይ ኢኻ፡ ኣይትፍራህ” በሎ።+ "17 ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም ከምዚ በሎ፦ “በጃኻ፡ 12,000 ሰብኡት ሓርየስ፡ ተንሲአ ደድሕሪ ዳዊት ክስዕብ።" 2 ደኺሙን ረሸሽ ኢሉን* ከሎ+ ኸኣ ድንገት ክወድቆ እሞ ኸሰምብዶ፣ ኵሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ድማ ይሃድም፣ ኣነ እውን ንንጉስ ጥራይ እቐትሎ።+ 3 ንዅሉ ህዝቢ ኸኣ ናባኻ እመልሶ። ምምላስ ኵሉ እቲ ህዝብስ ኣብቲ ነቲ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ዜጋጥሞ እዩ ዚምርኰስ። ሽዑ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሰላም ኪኸውን እዩ።” 4 እዚ እማመ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣቤሴሎምን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ቅኑዕ ነበረ። 5 ግናኸ፡ ኣቤሴሎም፡ “በጃኻ እስከ፡ ንሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ እውን ጸውዓዮ፣ ንሱ ዚብሎ ድማ ንስማዕ” በለ። 6 ሑሻይ ከኣ ናብ ኣቤሴሎም መጸ። ኣቤሴሎም ድማ፡ “ኣሒቶፌል ከምዚ ኢሉ መኺሩ። ከምቲ ምኽሩዶ ኽንገብር፧ እንተ ዘይኰነስ፡ ንስኻ ንገረና” በሎ። 7 ሑሻይ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ “ኣሒቶፌል በዚ ግዜ እዚ ዝመኸሮ ምኽሪ ጽቡቕ ኣይኰነን” በሎ።+ 8 ሑሻይ ድማ ኣስዒቡ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦኻን ሰቡን ጀጋኑ፡+ ኰራዅራ ኸም ዝጠፍእዋ ድቢ እውን ቀባጻት* ምዃኖም ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ እዩ፣+ ምስ ህዝቢ እውን ኣይሓድርን እዩ። 9 ሕጂ እኳ ኣብ ሓደ ኻብ በዓትታት* ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ተሓቢኡ ኣሎ።+ መጀመርታ ንሱ እንተ ኣጥቂዑ ድማ፡ እቶም ብዛዕባ እዚ ዚሰምዑ፡ ‘እቲ ንኣቤሴሎም ዚስዕብ ህዝቢ ተሳዒሩ’ ኺብሉ እዮም። 10 ኣቦኻ ጅግና ምዃኑን ምስኡ ዘለዉ ሰባት ከኣ ተባዓት ምዃኖምን ኵሉ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፡+ እቲ ኸም ልቢ ኣንበሳ ዝልቡ ተባዕ ሰብኣይ+ እኳ ብርግጽ ብፍርሂ ኺመክኽ እዩ። 11 እምበኣር፡ ምኽረይ እዚ እዩ፦ ኵሉ እስራኤል፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ፡+ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ናባኻ ይኽተት፡+ ንስኻ እውን ናብቲ ውግእ ምርሓዮም። 12 ከምቲ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚወድቕ፡ ኣብ ዚርከበሉ ዘበለ ቦታ ንውደቆ፣ ንሱን ዋላ ሓደ ኻብቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከኣ ኣይተርፉን። 13 ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ኣንሳሒቡ ድማ፡ ኵሉ እስራኤል ናብታ ኸተማ ኣግማድ ሒዙ ኪኸይድ፡ ጸጸር ክሳዕ ዘይርከባ ኸኣ ናብ ስንጭሮ ኽንስሕባ ኢና።” 14 ሽዑ፡ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፡ “ካብ ምኽሪ ኣሒቶፌልሲ ምኽሪ ሑሻይ እቲ ኣርካዊ ይበልጽ” በሉ።+ የሆዋ ንኣቤሴሎም መዓት ምእንቲ ኼምጽኣሉ፡+ የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ኬፍሽል ወሲኑ* ነበረ።+ 15 ሑሻይ ከኣ ንጻዶቅን ንኣብያታርን+ እቶም ካህናት ከምዚ በሎም፦ “ኣሒቶፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዚ ኢሉ መኺሩ፣ ኣነ ድማ ከምዚ ኢለ መኺረ። 16 ሕጂ ኸኣ፡ ቀልጢፍኩም ንዳዊት መልእኽቲ ልኢኽኩም፡ ‘ብርግጽ ተሳገር እምበር፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ መሳገሪታት* በረኻ ኣይትሕደር፣ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝብን ኪድምሰሱ* እዮም’ ኢልኩም ኣጠንቅቕዎ።”+ 17 ዮናታንን+ ኣሒማዓጽን+ ድማ ኣብ ከተማ ኣትዮም ኪርኣዩ ኣይደፈሩን ነበሩ እሞ፡ ኣብ ዔን-ሮጌል+ ደው ኢሎም ነበሩ፣ ሓንቲ ገረድ ከኣ ከይዳ ነገረቶም፣ ንንጉስ ዳዊት ኪነግርዎ ድማ ከዱ። 18 ግናኸ፡ ሓደ ጐበዝ ረኣዮም እሞ፡ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ክልቲኦም ከኣ ቀልጢፎም ከዱ፣ ኣብ ባሑሪም+ ድማ ናብ ቤት ሓደ ሰብኣይ መጹ። ኣብ ኣጸዱ ኸኣ ዒላ ነበረቶ፣ ናብኣ ኸኣ ወረዱ፣ 19 ሰበይቱ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ዒላ መጋረዲ ዘርጊሓ፡ እተጐድአ እኽሊ ሰጥሐት፡ ዋላ ሓደ እውን ብዛዕባ እዚ ኣይፈለጠን። 20 ገላዉ ኣቤሴሎም ከኣ ናብታ ሰበይቲ ናብታ ቤት መጺኦም፡ “ኣሒማዓጽን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ፧” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ናብቲ ማይ ኣቢሎም ሓሊፎም” በለቶም።+ ንሳቶም ከኣ ደለይዎም፡ ግናኸ ኣይረኸብዎምን፣ ሽዑ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 21 እቶም ሰባት ምስ ከዱ፡ ንሳቶም ካብታ ዒላ ወጺኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዕኡ ድማ፡ “ኣሒቶፌል ከምዚ ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፡ ተንሲእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ማይ ተሳገርዎ” በልዎ።+ 22 ብኡብኡ፡ ዳዊትን ኵሎም እቶም ህዝብን ተንሲኦም ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ክሳዕ ዚወግሕ፡ ዮርዳኖስ ከይተሳገረ ዝተረፈ ሓደ እኳ ኣይነበረን። 23 ኣሒቶፌል ከኣ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረኣየ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ናብታ ኣብ ከተማኡ ዘላ ቤቱ ኸደ።+ ንቤተ ሰቡ ድሕሪ ምልባዉ ድማ፡+ ተሓኒቑ ሞተ።+ ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ኸኣ ተቐብረ። 24 ዳዊት ድማ ናብ ማሓናዪም+ ከደ፣ ኣቤሴሎም ከኣ ምስ ኵሎም ሰብ እስራኤል ዮርዳኖስ ተሳገረ። 25 ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ክንዲ ዮኣብ+ ንዓማሳ+ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ገበሮ፣ ዓማሳ ኸኣ ወዲ ዪትራ ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብኣይ እዩ፣ ንሱ ድማ ናብ ኣቢጋይል+ ጓል ናሓሽ፡ ሓብቲ ጽሩያ ኣደ ዮኣብ፡ ኣትዩ ነበረ። 26 እስራኤልን ኣቤሴሎምን ከኣ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ+ ሰፈሩ። 27 ዳዊት ናብ ማሓናዪም ምስ መጸ፡ ሾቢ ወዲ ናሓሽ ካብ ራባ+ ናይ ዓሞናውያን፡ ማኪር+ ወዲ ዓሚኤል ካብ ሎ-ድባር፡ ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም መጹ፣ 28 ዓራውትን ገበራታትን ስራሓት ካይላን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ቆሎን ባልደንጓን ብርስንን ጥቡስ እኽልን 29 መዓርን ጠስምን ኣባጊዕን ኣጅቦን* ከኣ ኣምጽኡ። “እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዩን ደኺሙን ጸሚኡን ኣሎ” ኢሎም ነበሩ እሞ፡+ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፡ እዚ ዅሉ ኺበልዕዎ ኣምጽኡሎም።+ 18 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ቈጺሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ገበረሎም።+ 2 ዳዊት ከኣ ነቶም ሰባት፡ ሲሶኦም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ* ዮኣብ፡+ ሲሶኦም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ፡+ ሓው ዮኣብ፡ ሲሶኦም እውን ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ኢታይ+ እቲ ጊታዊ ገይሩ ሰደዶም። ንጉስ ድማ ነቶም ሰባት፡ “ኣነ እውን ምሳኻትኩም ክወጽእ እየ” በሎም። 3 ንሳቶም ግና፡ “ንሕና እንተ ሃዲምናስ፡ ብዛዕባና ኣይግድሶምን እዩ፣* ንስኻ ኽንዲ ዓሰርተ ሽሕና ስለ ዝዀንካ፡+ ፍርቅና እንተ ሞይትና እውን፡ ብዛዕባና ኣይግድሶምን እዩ እሞ፡ ኣይትውጻእ።+ እምበኣር፡ ካብ ከተማ ዚረድኡና እንተ ሰደድካልና ይሓይሽ” በልዎ። 4 ንጉስ ከኣ፡ “ጽቡቕ ዝመሰለኩም ክገብር እየ” በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው በለ፣ ኵሎም እቶም ሰባት ከኣ በብኣማእታትን በብኣሽሓትን ወጹ። 5 ንጉስ ድማ ንዮኣብን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ “ስለይ ኢልኩም፡ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም፡ ኣይትጨክኑሉ” ኢሉ ኣዘዞም።+ ንጉስ ንዅሎም ኣሕሉቕ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ኪእዝዞም ከሎ፡ ኵሎም እቶም ሰባት ይሰምዑ ነበሩ። 6 እቶም ሰባት ከኣ ንእስራኤል ኪቀባበልዎ ናብ መሮር ወጹ፣ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ።+ "7 ኣብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል+ ብገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሓት ሰባት፡ ማለት 20,000 ዚኣኽሉ ተቐትሉ።" 8 እቲ ውግእ ከኣ ኣብ ብዘሎ እቲ ዞባ ተዘርግሐ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ካብቲ ሰይፊ ዝወሓጦስ፡ እቲ ዱር ዝወሓጦ በዝሐ። 9 ኣቤሴሎም ከኣ ንገላዉ ዳዊት ፊት ንፊት ተጓነፎም። ኣቤሴሎም ድማ በቕሊ ተወጢሑ ነበረ፣ እታ በቕሊ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጨናፍር ዘለዎ ዓብዪ ኦም ኣተወት፣ ርእሱ ድማ ኣብቲ ዓብዪ ኦም ተጠናነገ እሞ፡ እታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት በቕሊ ስለ ዝሓለፈት፡ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል በለ። 10 ሓደ ሰብኣይ ከኣ ነዚ ርእዩ፡ ንዮኣብ፡+ “እንሆ፡ ንኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ዓብዪ ኦም ጠልጠል ኢሉ ርእየዮ” ኢሉ ነገሮ። 11 ዮኣብ ድማ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፡ “እንተ ርኢኻዮ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኣብኡ ኸለኻ ወቒዕካ ናብ ምድሪ ዘየውደቕካዮ፧ ሽዑ፡ ዓሰርተ ብሩርን ዕጣቕን ተሓጒሰ ምሃብኩኻ ነይረ” በሎ። "12 እቲ ሰብኣይ ድማ፡ “ንጉስ ንዓኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ‘ኵላትኩም ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም ተጠንቀቑሉ’ ኢሉ ኺእዝዘኩም ከሎ ንሰምዕ ኔርና ኢና እሞ፡ 1,000 ብሩር እኳ ኣብ ኢደይ እንተ ትህበኒ፡* ኣንጻር ወዲ ንጉስሲ ኢደይ ኣይመልዓልኩን።+" 13 ትእዛዝ ጥሒሰ ህይወቱ እንተ ዘጥፍእ ነይረ፡* እዚ ኻብ ንጉስ ኣይምተሓብአን ነይሩ፡ ንስኻ እውን ኣይመዕቈብካንን ኔርካ” በሎ። 14 ሽዑ፡ ዮኣብ፡ “ምሳኻ ግዜ ኸጥፍእ ኣይደልን እየ” በለ። ሰለስተ መዝረቕ* ኣብ ኢዱ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣቤሴሎም ብህይወት ኣብ ማእከል እቲ ዓብዪ ኦም ጠልጠል ኢሉ ኸሎ፡ ኣብ ልቡ ሸኸተን። 15 ኣጽዋር ዮኣብ ዚስከሙ ዓሰርተ ገላዉ ድማ፡ ንኣቤሴሎም ወቒዖም ቀተልዎ።+ 16 ዮኣብ ከኣ መለኸት ነፍሐ እሞ፡ ዮኣብ ነቶም ሰባት ስለ ዝዓገቶም፡ ንእስራኤል ካብ ምስጓጕ ተመልሱ። 17 ንኣቤሴሎም ከኣ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ዱር ዝነበረ ዓብዪ ጕድጓድ ደርበይዎ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ።+ ኵሎም እስራኤል ከኣ ነናብ ቤቶም ሃደሙ። 18 ኣቤሴሎም ከኣ፡ “ንመዘከርታ ስመይ ዚዀነኒ ወዲ የብለይን” ኢሉ ነበረ እሞ፡+ ብህይወቱ ኸሎ፡ ሓወልቲ ወሲዱ ኣብ ስንጭሮ* ንጉስ+ ኣቚሙ ነበረ። ነቲ ሓወልቲ ድማ ብስሙ ሰመዮ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ሓወልቲ ኣቤሴሎም ይብሃል ኣሎ። 19 ኣሒማዓጽ+ ወዲ ጻዶቅ ድማ፡ “የሆዋ ንንጉስ ካብ ኢድ ጸላእቱ ሓራ ብምውጻእ፡ ፍትሒ ኣውጺኡሉ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ጐይየ ወረ ኽነግሮ” በለ።+ 20 ዮኣብ ግና፡ “በዛ መዓልቲ እዚኣ ወረ ኣይትነግርን ኢኻ። ካልእ መዓልቲ ወረ ኽትነግር ኢኻ። ሎሚ ግና ወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ወረ ኣይትነግርን ኢኻ” በሎ።+ 21 ዮኣብ ከኣ ንሓደ ኩሻዊ፡+ “ኪድ፡ ዝረኣኻዮ ንንጉስ ንገሮ” በሎ። እቲ ኩሻዊ ድማ ንዮኣብ ሰጊዱሉ ጐየየ። 22 ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ከኣ ንዮኣብ መሊሱ፡ “ዝዀነ ይኹን፡ በጃኻ ኣነ እውን ደድሕሪ እቲ ኩሻዊ ኽጐዪ” በሎ። ዮኣብ ግና፡ “ወደየ፡ ንስኻ እትነግሮ ወረ ዘይብልካስ፡ ስለምንታይ እትጐዪ፧” በሎ። 23 ንሱ ድማ፡ “ዝዀነ ይኹን፡ ክጐዪ ደኣ” በለ። ዮኣብ ከኣ፡ “ጕየ” በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ ብመገዲ ኸባቢ ዮርዳኖስ* ጐየየ፣ ነቲ ኩሻዊ ኸኣ ቀደሞ። 24 ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣፍ ደገ ኸተማ ተቐሚጡ ነበረ፣+ እቲ ሓላዊ+ ኸኣ ናብ ናሕሲ እቲ ኣፍ ደገ መካበብያ ደየበ። ኣዒንቱ ምስ ኣልዓለ ድማ፡ በይኑ ዚጐዪ ሰብኣይ ረኣየ። 25 እቲ ሓላዊ ኸኣ ንንጉስ ጸዊዑ ነገሮ። ንጉስ ድማ፡ “በይኑ እንተ ዀይኑስ፡ ዚንገር ወረ ሒዙ ኣሎ” በለ። ንሱ ኸኣ እናቐረበ መጸ። 26 እቲ ሓላዊ ድማ ካልእ ሰብኣይ ኪጐዪ ረኣየ። እቲ ሓላዊ ኸኣ ነቲ ሓላው ኣፍ ደገ ጸዊዑ፡ “እንሆ፡ በይኑ ዚጐዪ ኻልእ ሰብኣይ” በሎ። ንጉስ ድማ፡ “እዚ እውን ወረ ዚነግር እዩ” በለ። 27 እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “ኣጓይያ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ከም ኣጓይያ ኣሒማዓጽ+ ወዲ ጻዶቅ ምዃኑ እርኢ ኣለኹ” በለ። ንጉስ ድማ፡ “ንሱ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ፣ ብስራት ዜምጽእ እዩ” በለ። 28 ኣሒማዓጽ ከኣ ዓው ኢሉ ንንጉስ፡ “ኵሉ ሰላም እዩ!” በሎ። ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ድማ ንንጉስ ሰገደሉ። “እቲ ነቶም ካብ ጐይታይ ንጉስ ዝዓለዉ* ኣሕሊፉ ዝሃበ የሆዋ ኣምላኽካ ይወደስ” ከኣ በሎ።+ 29 ንጉስ ግና፡ “እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ፧” በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ፡ “ዮኣብ ነቲ ጊልያ ንጉስን ንጊልያኻን ኪልእከና ኸሎ፡ ብዙሕ ዕግርግር ርእየ ነይረ፣ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ኣይፈለጥኩን” በሎ።+ 30 ንጉስ ከኣ፡ “ኣልግስ እሞ፡ ኣብዚ ደው በል” በሎ። ንሱ ድማ ኣልጊሱ ኣብኡ ደው በለ። 31 እቲ ኩሻዊ ኸኣ መጸ።+ እቲ ኩሻዊ ድማ፡ “ጐይታይ ንጉስ እዚ ወረ እዚ ይቀበል፦ ሎሚ የሆዋ ኻብ ኢድ ኵሎም እቶም ካባኻ ዝዓለዉ ሓራ ብምውጻእ፡ ፍትሒ ኣውጺኡልካ እዩ” በሎ።+ 32 ንጉስ ግና ነቲ ኩሻዊ፡ “እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ፧” በሎ። እቲ ኩሻዊ ኸኣ፡ “ኵሎም ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስን ኵሎም እቶም ኪጐድኡኻ ኻባኻ ዝዓለዉን ከምቲ ጐበዝ ይኹኑ!” በሎ።+ 33 ንጉስ ድማ ተረበሸ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። እናኸደ ኸኣ፡ “ኣቤሴሎም ወደይ፡ ወደይ፡ ኣቤሴሎም ወደይ። ኣብ ክንዳኻ፡ ኣነ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበ፧ ኣቤሴሎም ወደይ፡ ወደይ!” በለ።+ 23 መወዳእታ ዘረባ ዳዊት እዚ እዩ፦+ “ቃል ዳዊት ወዲ እሴይ፡+ቃል እቲ ናብ ላዕሊ እተላዕለ ሰብኣይ፡+እቲ ቕቡእ+ ኣምላኽ ያእቆብ፡እቲ ጥዑም ዘማሪ መዝሙራት+ እስራኤል። 2 መንፈስ የሆዋ ብኣይ ተዛረበ፡+ቃሉ ኣብ ልሳነይ ነበረ።+ 3 ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበ፣እቲ ኸውሒ እስራኤል+ ንዓይ በለኒ፦ ‘እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዚገዝእ ጻድቕ ምስ ዚኸውን፡+ብፍርሃት ኣምላኽ ምስ ዚገዝእ፡+ 4 ከምቲ ደበና ኣብ ዘይብሉ ንግሆጸሓይ እትበርቀሉ ብርሃን ንግሆ እዩ።+ ከምቲ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዜብቍል+ ድሕሪ ዝናም ዚህሉ ድምቀት እዩ።’ 5 ቤተይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምኡ ደይኰነትን፧ ከመይሲ፡ ብዅሉ ዝርዝር እተሰርዐን ውሑስንናይ ዘለኣለም ኪዳን ኣትዩለይ።+ ምሉእ ድሕነተይን ኵሉ ደስታይን ስለ ዝዀነ፡ስለዚ ደይኰነን ዜብቍለለይ፧+ 6 ዘይጠቕሙ ሰባት ግና ከም ኣሻዅ ቈጥቋጥ ኵሎም ይድርበዩ፣+ከመይሲ፡ ብኢድ ኪትሓዙ ኣይክእሉን እዮም። 7 ሰብ ኪትንክዮም ከሎ፡ሓጺንን ዛብያ ዂናትን ምሉእ ብምሉእ ይተዓጠቕ፣ንሳቶም ድማ ኣብ ቦታኦም ብሓዊ ጠሪሶም ይንደዱ።” 8 ስማት ጀጋኑ ዳዊት እዚ እዩ፦+ ዮሼብ-ባሸቤት እቲ ታሕክሞናዊ፡ ርእሲ እቶም ሰለስተ።+ ንሱ ብሓንሳእ ኣብ ልዕሊ 800 ቕቱላት ኲናቱ ኣልዓለ። 9 ድሕሪኡ፡ ኣልኣዛር+ ወዲ ዶዶ+ ወዲ ኣሖሒ እዩ። ንሱ ኻብቶም ፍልስጥኤማውያን ንውግእ ኣብኡ ምስ ተኣከቡ ዘባጨዉሎም፡ ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ እዩ። ሽዑ፡ ሰብ እስራኤል ምስ ኣንሰሓቡ፡ 10 ንሱ ኣብ መትከሉ ቘይሙ፡ ኢዱ ኽሳዕ እትደክምን ኢዱ ኣብታ ሰይፊ ኽሳዕ እትለግብን ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም።+ የሆዋ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ዓወት* ኣምጽአ፣+ እቶም ህዝቢ ኸኣ ነቶም ቅቱላት ኪገፍፉ ደድሕሪኡ ተመልሱ። 11 ድሕሪኡ፡ ሻማ ወዲ ኣጌ እቲ ሃራራዊ እዩ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ሌሒ፡ ኣብ ሓንቲ ብርስን ዝመልአት ግራት ተኣከቡ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሰሪ ፍልስጥኤማውያን ሃደመ። 12 ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሓና፡ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ቀተሎም። የሆዋ ኸኣ ዓብዪ ዓወት* ኣምጽአ።+ 13 ካብቶም 30 ርእስታት ድማ ሰለስተ ብግዜ ዓጺድ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ዓዱላም ወረዱ፣+ ሓደ ጭፍራ* ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም ሰፊሩ ነበረ።+ 14 ዳዊት ድማ ሽዑ ኣብ ዕርዲ ነበረ፣+ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ቤት-ልሄም ነበረ። 15 ዳዊት ድማ፡ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘሪ፡ ማይ ክሰቲ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሃበ፧” ኢሉ ትምኒቱ ገለጸ። 16 ሽዑ፡ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘር ማይ ድማ ማይ ቀዲሖም፡ ንዳዊት ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ግና ምስታዩ ኣበየ፡ ንየሆዋ እውን ኣፍሰሶ።+ 17 “ኦ የሆዋ፡ እዚ ኽገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! ደም እዞም ህይወቶም* ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፧”+ ከኣ በለ። ስለዚ፡ ምስታዩ ኣበየ። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ። 18 ኣቢሻይ+ ሓው ዮኣብ ወዲ ጽሩያ+ ድማ፡ ርእሲ ኻልኦት ሰለስተ ነበረ። ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ 300 ቕቱላት ኲናቱ ኣልዓለ፣ ከምቶም ሰለስተ ድማ ስሙይ ነበረ።+ 19 ካብቶም ካልኦት ሰለስተ ዝኸበረ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓለቓኦም እውን እንተ ዀነ፡ ማዕረ እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ግና ኣይበጽሐን። 20 በናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ቃብጽኤል+ ብዙሕ ጅግንነታዊ ተግባር ዝገበረ ተባዕ ሰብኣይ* ነበረ። ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣርኤል ናይ ሞኣብ ቀተሎም፣ ብመዓልቲ ውርጪ ድማ ናብ ጕድጓድ ማይ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።+ 21 ንሓደ ገዚፍ ግብጻዊ ሰብኣይ እውን ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ዂናት እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ብበትሪ ገጠመሉ እሞ፡ ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ፡ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ። 22 በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገበረ፣ ከምቶም ሰለስተ ጀጋኑ ኸኣ ስሙይ ነበረ። 23 ካብቶም ሰላሳ ዝኸበረ እኳ እንተ ነበረ፡ ማዕረ እቶም ሰለስተ ግና ኣይበጽሐን። ዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ዘብዐኛታቱ ሸሞ። 24 ዓሳሄል+ ሓው ዮኣብ ካብቶም ሰላሳ ነበረ፦ ኤልሓናን ወዲ ዶዶ ኻብ ቤት-ልሄም፡+ 25 ሻማ እቲ ሓሮዳዊ፡ ኤሊቃ እቲ ሓሮዳዊ፡ 26 ሔለጽ+ እቲ ጳልጣዊ፡ ዒራ+ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ፡ 27 ኣቢ-ዔዘር+ እቲ ዓናቶታዊ፡+ ሜቡናይ እቲ ሑሻታዊ፡ 28 ጻልሞን እቲ ኣሖሓዊ፡ ማሃራይ+ እቲ ነጦፋታዊ፡ 29 ሔለብ ወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊ፡ ኢታይ ወዲ ሪባይ ካብ ጊብዓ ናይ ብንያማውያን፡ 30 በናያ+ ሓደ ጲርዓቶናዊ፡ ሂዳይ ካብ ርባታት* ጋዓሽ፡+ 31 ኣቢ-ዓልቦን እቲ ዓርባታዊ፡ ዓዝማዌት እቲ ባርሑማዊ፡ 32 ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊ፡ ደቂ ያሸን፡ ዮናታን፡ 33 ሻማ እቲ ሃራራዊ፡ ኣሒያም ወዲ ሻራር እቲ ሃራራዊ፡ 34 ኤሊፈለጥ ወዲ ኣሓስባይ ወዲ ማዓካታዊ፡ ኤሊዓም ወዲ ኣሒቶፌል+ እቲ ጊሎናዊ፡ 35 ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ጳዓራይ እቲ ኣርባዊ፡ 36 ይግኣል ወዲ ናታን ካብ ጾባ፡ ባኒ እቲ ጋዳዊ፡ 37 ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሕራይ እቲ ብኤሮታዊ፡ ተሰካሚ ኣጽዋር ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡ 38 ዒራ እቲ ዪትራዊ፡ ጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡+ 39 ኡርያ+ እቲ ሔታዊ፡—ኵሉ ዅሎም 37። 19 ንዮኣብ ድማ፡ “ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይሓዝንን ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ።+ 2 ኵሉ እቲ ህዝቢ፡ ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ይጕሂ ኸም ዘሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ እቲ ዓወት* በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ሓዘን ተቐየረ። 3 እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ውግእ ብምህዳሙ ዝሓፈረ ህዝቢ ዀይኑ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣጽቂጡ ናብ ከተማ ተመልሰ።+ 4 ንጉስ ድማ ገጹ ሸፊኑ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ኣቤሴሎም ወደይ! ኣቤሴሎም ወደይ፡ ወደይ!” ኢሉ ይጭድር ነበረ።+ 5 ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብታ ቤት ኣትዩ ኸምዚ በለ፦ “ሎሚ፡ ንዅሎም እቶም በዛ መዓልቲ እዚኣ ህይወትካን ህይወት* ኣወዳትካን+ ኣዋልድካን+ ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን+ ዘድሓኑ ገላዉኻ ኣሕፊርካዮም። 6 ንኣሕሉቕካን ንገላዉኻን ግዲ ኸም ዘይብልካ ሎሚ ኣነጺርካ ኢኻ እሞ፡ ነቶም ዚጸልኡኻ ኣፍቂርካ፡ ነቶም ዜፍቅሩኻ ድማ ጸሊእካ ኢኻ። ኣቤሴሎም ሎሚ ብህይወት እንተ ዚህሉ፡ ንሕና ዅልና ግና እንተ ንመውት፡ ንዓኻ ቕኑዕ ኰይኑ ኸም ዚረኣየካ ኣረጋጊጸ እየ። 7 ሕጂ ኸኣ፡ ተንሲእካ ውጻእ፡ ንገላዉኻ ድማ ኣተባብዓዮም፣* እንተ ዘይወጺእካስ፡ ሎሚ ለይቲ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘይሓድር፡ ብየሆዋ እምሕል ኣለኹ። እዚ ድማ ካብቲ ኻብ ንእስነትካ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ዝመጸካ ጕድኣት ኪኸፍኣካ እዩ።” 8 ንጉስ ከኣ ተንሲኡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ተቐመጠ፣ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ድማ፡ “ሕጂ ንጉስ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። ሽዑ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸ። እስራኤል ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሃዲሙ ነበረ።+ 9 ኣብ ኵሉ ነገዳት እስራኤል ዝነበረ ዅሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ተኻትዐ፦ “ንጉስ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣድሒኑና፡+ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን እውን ኣናጊፉና፣ ሕጂ ግና ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብዛ ምድሪ ሃዲሙ ኣሎ።+ 10 እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ፡+ ኣብ ውግእ ሞይቱ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ ንጉስ ዋላ ሓንቲ ዘይትገብሩ ዘለኹም ስለምንታይ ኢኹም፧” 11 ንጉስ ዳዊት ድማ ንጻዶቅን+ ንኣብያታርን+ እቶም ካህናት ከምዚ ኢሉ ለኣኸሎም፦ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፦+ ‘ዘረባ ዅሉ እስራኤል ናብ ንጉስ ናብ ቤቱ መጺኡ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ንስኻትኩም ንንጉስ ናብ ቤቱ ንምምላስ ዳሕሮት ኴንኩም፧ 12 ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፣ ንስኻትኩም ዓጽመ ስጋይ ኢኹም። ስለምንታይ ደኣ ንምምላስ ንጉስ ዳሕሮት ኴንኩም፧’ 13 ንዓማሳ+ ኸኣ፡ ‘ንስኻስ ዓጽመ ስጋይ ደይኰንካን፧ ንስኻ ኻብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ክንዲ ዮኣብ ሓለቓ ሰራዊተይ እንተ ዘይኴንካ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ’ በልዎ።”+ 14 ንልቢ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ድማ ከም ሓደ ሰብ ገይሩ ማረኸ፣* ንሳቶም ከኣ ናብ ንጉስ፡ “ንስኻን ኵሎም ገላዉኻን ተመለሱ” ኢሎም ለኣኹ። 15 ንጉስ ከኣ ኪምለስ ጀመረ፡ ናብ ዮርዳኖስ እውን በጽሐ፣ ሰብ ይሁዳ ድማ ንንጉስ ኪቕበልዎን ኣሰንዮም ዮርዳኖስ ኬሳግርዎን ናብ ጊልጋል+ መጹ። 16 ሺምዒ+ ወዲ ጌራ እቲ ብንያማዊ ብዓል ባሑሪም ከኣ፡ ንንጉስ ዳዊት ኪቕበሎ ምስ ሰብ ይሁዳ ተቐላጢፉ ወረደ፣ "17 ምስኡ ድማ ካብ ብንያም 1,000 ሰብኡት ነበሩ። ጺባ+ ጊልያ ቤት ሳኦል እውን ምስ 15 ኣወዳቱን 20 ገላዉኡን፡ ቀቅድሚ ንጉስ ናብ ዮርዳኖስ ተቐላጢፉ ወረደ።" 18 ንሱ* ድማ ንቤተ ሰብ ንጉስ ንምስጋር፡ ዝደለዮ ዘበለ እውን ኪገብረሉ ኢሉ ነቲ መሳገሪ ተሳገረ። ሺምዒ ወዲ ጌራ ኸኣ፡ ንጉስ ንዮርዳኖስ ኪሳገር ምስ በለ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ። 19 ንንጉስ ድማ፡ “ጐይታይ ኣበሳይ ኣይሓዘለይ፣ በታ ጐይታይ ንጉስ ካብ የሩሳሌም ዝወጸላ መዓልቲ ጊልያኻ ዝበደሎ ኣይዘክሮ።+ ንጉስ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ። 20 ኣነ ኸም ዝበደልኩኻስ፡ ጊልያኻ ኣጸቢቑ ፈሊጡ እዩ፣ ስለዚ፡ ሎሚ ንጐይታይ ንጉስ ንምቕባል፡ ካብ ኵላ ቤት ዮሴፍ ቀዳማይ ኰይነ ወሪደ ኣለኹ” በሎ። 21 ሽዑ፡ ኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ፡+ “ሺምዒ ንቕቡእ የሆዋ ረጊሙ እዩ እሞ፡ በዚ ኺመውትዶ ኣይግብኦን፧” በለ።+ 22 ዳዊት ግና፡ “ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ሎሚ እትጻረሩንስ፡ እዚ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለዎ፧+ ሎሚዶ ኣብ እስራኤል ሰብ ይመውት፧ ሎሚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ፧” በለ። 23 ንጉስ ከኣ ንሺምዒ፡ “ኣይክትመውትን ኢኻ” በሎ። ንጉስ ድማ መሓለሉ።+ 24 መፊቦሸት+ ወዲ ወዱ ንሳኦል እውን ንንጉስ ኪቕበሎ ወረደ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም እተመልሰላ መዓልቲ፡ እግሩ ኣይተኸናኸነን፡ ጭሕሙ* ድማ ኣይቀምቀመን፡ ክዳውንቱ እውን ኣይሓጸበን። 25 ንንጉስ ኪቕበሎ ናብ* የሩሳሌም ምስ መጸ፡ ንጉስ፡ “መፊቦሸት፡ ስለምንታይ ምሳይ ዘይከድካ፧” በሎ። 26 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ ንጉስ፡ ጊልያይ ኣታሊሉኒ።+ ጊልያኻ ስንኩል ስለ ዝዀነስ፡+ ‘ኣድጊ ጽዒነ፡ ተወጢሐያ ምስ ንጉስ ክኸይድ’ ኢሉ ነይሩ። 27 ንሱ ግና ንጊልያኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሓምይዎ።+ ግናኸ፡ ጐይታይ ንጉስ ከም መልኣኽ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ዝመሰለካ ግበር። 28 ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦይሲ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሞት ይግብኣና ነይሩ እዩ፣ ንስኻ ግና ንጊልያኻ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ ኣቐሚጥካዮ።+ ደጊምከ ኣብ ንጉስ ንምጥራዕ እንታይ መሰል ኣሎኒ፧” በለ። 29 ግናኸ፡ ንጉስ፡ “ስለምንታይ መሊስካ ኸምዚ እትዛረብ፧ ነቲ ግራት ንስኻን ጺባን ክትማቐልዎ ወሲነ እየ” በለ።+ 30 መፊቦሸት ድማ ንንጉስ፡ “ጐይታይ ንጉስ ብሰላም ናብ ቤቱ ኻብ ተመልሰስ፡ ኵሉ እኳ ይውሰዶ” በሎ። 31 ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ፡ ንንጉስ ናብ ዮርዳኖስ ንምስናይ፡ ካብ ሮግሊም ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። 32 ባርዚላይ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ፡ ወዲ 80 ዓመት ኰይኑ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ንጉስ ኣብ ማሓናዪም ተቐሚጡ ኸሎ፡ ይምግቦ ነበረ።+ 33 ንጉስ ድማ ንባርዚላይ፡ “ምሳይ ተሳገር እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ክምግበካ እየ” በሎ።+ 34 ባርዚላይ ግና ንንጉስ ከምዚ በሎ፦ “ምስ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዝድይብሲ፡ ክንደይ መዓልትታት* ህይወተይ እየን ተሪፈናኒ፧ 35 ኣነ ሎሚ ወዲ 80 ዓመት እየ።+ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ እኽእል እየ፧ ኣነ ጊልያኻስ ጣዕሚ እቲ ዝበልዖን ዝሰትዮን ክፈልጥዶ እኽእል እየ፧ ገናዶ ድምጺ ዚደርፉን ዚደርፋን ክሰምዕ እኽእል እየ፧+ ስለምንታይ ደኣ ጊልያኻ ንጐይታይ ንጉስ ተወሳኺ ጾር ዝዀኖ፧ 36 ጊልያኻ ንንጉስ ናብ ዮርዳኖስ ኬምጽኦ ምኽኣሉ፡ እኹል እዩ። ስለምንታይከ ንጉስ በዚ ዓስቢ እዚ ዚኽሕሰኒ፧ 37 በጃኻ፡ ጊልያኻ ይመለስ፣ ኣብ ከተማይ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ኣቦይን ኣደይን ከኣ እሙት።+ ጊልያኻ ኪምሃም ግና እንሆ።+ ንሱ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፣ ጽቡቕ ዝመሰለካ ድማ ግበረሉ።” 38 ንጉስ ከኣ፡ “ኪምሃም ምሳይ ኪሳገር እዩ፣ ንዕኡ ድማ ጽቡቕ ዝመሰለካ ኽገብረሉ እየ፣ ንዓኻ እውን እትሓትተኒ ዘበለ ኽገብረልካ እየ” በሎ። 39 ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ዮርዳኖስ ተሳገረ፣ ንጉስ ኪሳገር ከሎ ኸኣ፡ ንጉስ ንባርዚላይ ስዒሙ+ መረቖ፣ ድሕርዚ፡ ባርዚላይ ናብ ቦታኡ ተመልሰ። 40 ንጉስ ድማ ናብ ጊልጋል ኪሳገር ከሎ፡+ ኪምሃም ምስኡ ተሳገረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ፍርቂ ህዝቢ እስራኤልን ከኣ ንንጉስ ኣሳገርዎ።+ 41 ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ቀሪቦም፡ “ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ዝሰረቑኻን ንንጉስን ንቤተ ሰቡን ምስ ኵሎም ገላዉ ዳዊት ዮርዳኖስ ዘሳገርዎምን ስለምንታይ እዮም፧” በልዎ።+ 42 ኵሎም ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሰብ እስራኤል፡ “ንጉስ ንዓና ስለ ዚቐርብ ኢና።+ ንስኻትኩምከ ስለምንታይ ኢኹም በዚ እተቘጣዕኩም፧ ካብ ንጉስዶ ገለ በሊዕና ኢና፧ ወይ ገለ ህያብዶ ተዋሂቡና እዩ፧” ኢሎም መለሱሎም። 43 ሰብ እስራኤል ግና ንሰብ ይሁዳ፡ “ንሕና ኣብ ንጉስ ዓሰርተ ኢድ ኣሎና፣ ስለዚ፡ ኣብ ዳዊት ዝበለጸ ግደ ኣሎና። ስለምንታይ ደኣ ንዒቕኩምና፧ ንንጉስና ንምምላስ፡ ንሕና ቐዳሞት ክንከውንዶ ኣይግብኣናን እዩ፧” ኢሎም መለሱሎም። ግናኸ፡ ካብ ዘረባ ሰብ እስራኤልሲ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ሓየለ። 20 ኣብኡ ኸኣ ሓደ መሸገሪ፡ ሸባ+ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ፡ “ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፣ ኣብ ወዲ እሴይ ከኣ ርስቲ የብልናን።+ ኦ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ኣማልኽቱ* ይመለስ!”+ ኢሉ መለኸት ነፍሐ።+ 2 ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ እስራኤል ንዳዊት ምስዓብ ሓዲጎም ንሸባ ወዲ ቢክሪ ሰዓብዎ፣+ እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ካብ ዮርዳኖስ ክሳብ የሩሳሌም ናብ ንጉሶም ለገቡ።+ 3 ዳዊት ከኣ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤቱ* ምስ መጸ፡+ ንጉስ ነተን ቤት ኪሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሲዱ፡+ ኪሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐመጠን። ይምግበን ድማ ነበረ፣ ናባታተን ግና ኣይኣተወን።+ ንሳተን ከኣ ህያው ሰብኣይ ከለወንሲ ኸም መበለታት ኰይነን፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዓጽየን ነበራ። 4 ንጉስ ድማ ንዓማሳ፡+ “ንሰብ ይሁዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፣ ንስኻ እውን ኣብዚ ተረኸብ” በሎ። 5 ዓማሳ ኸኣ ንይሁዳ ኬኽትት ከደ፣ ግናኸ፡ ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ደንጐየ። 6 ሽዑ፡ ዳዊት ንኣቢሻይ፡+ “ሸባ+ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ዝገደደ ኺጐድኣና እዩ።+ እተዓርዳ ኸተማታት ከይረክብ እሞ፡ ካባና ኸየምልጥሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎ” በሎ። 7 ስለዚ፡ ሰብ ዮኣብን+ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን+ ኵሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹ፣ ንሸባ ወዲ ቢክሪ ኺሰጕጕዎ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጹ። 8 ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጊብዖን+ ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ+ ኺረኽቦም መጸ። ዮኣብ ድማ ናይ ውግእ ክዳኑ ተኸዲኑ፡ ኣብ ሰገባኡ ዝኣተወ ሰይፊ ኸኣ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ነበረ። ንቕድሚት ምስ ሰጐመ ኸኣ፡ እቲ ሰይፊ ወደቐ። 9 ዮኣብ ድማ ንዓማሳ፡ “ደሓንዶ ኣለኻ፡ ሓወይ፧” በሎ። ዮኣብ ከኣ ከም ዚስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ንዓማሳ ጭሕሙ ሓዞ። 10 ዓማሳ ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሰይፊ ኣይተጠንቀቐሉን፣ ዮኣብ ድማ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ እሞ፡+ ኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሐ። መሊሱ ኺወግኦ እውን ኣየድለዮን፣ ንምቕታሉ ሓንሳእ ኣኸሎ። ዮኣብን ሓዉ ኣቢሻይን ከኣ ንሸባ ወዲ ቢክሪ ሰጐጕዎ። 11 ሓደ ኻብ ኣጕባዝ ዮኣብ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፡ “ኣብ ጐድኒ ዮኣብ ዝዀነን ናይ ዳዊት ዘበለን፡ ንዮኣብ ይስዓብ!” ይብል ነበረ። 12 ዓማሳ ኸኣ ኣብ ማእከል እቲ መገዲ ኣብ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው ይብል ከም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ንዓማሳ ኻብቲ መገዲ ናብ ግራት ኣልገሶ። ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ይብል ከም ዘሎ ስለ ዝረኣየ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽዳን ዘርግሓሉ። 13 ካብ መገዲ ምስ ኣልገሶ፡ ኵሉ ሰብ ንሸባ+ ወዲ ቢክሪ ንምስጓጕ፡ ንዮኣብ ሰዓቦ። 14 ሸባ ድማ ብዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቢሉ ናብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ+ ሓለፈ። ቢክራውያን ከኣ ተኣኪቦም ደድሕሪኡ ኸዱ። 15 ዮኣብን ሰቡን* ድማ መጺኦም ኣብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ ኸበብዎ፣ ነታ ኸተማ ኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ቘይማ ኸላ፡ ዕርዲ ኸበባ ዀመሩላ። ኵሎም እቶም ምስ ዮኣብ ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ነቲ መንደቕ ኬውድቕዎ ኢሎም የፍርስዎ ነበሩ። 16 ሓንቲ ጥበበኛ ሰበይቲ ኸኣ ካብታ ኸተማ፡ “ስምዑ፡ ስምዑ! በጃኹም ንዮኣብ፡ ‘ክዛረበካስ ናብዚ ቕረብ’ በሉለይ” ኢላ ጨደረት። 17 ንሱ ድማ ናብኣ ቐረበ፣ እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ንስኻ ዲኻ ዮኣብ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ፡ “ዘረባ ገረድካ ስማዕ” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “እሰምዕ ኣለኹ” በላ። 18 ንሳ ኸኣ፡ “ቀደም፡ ‘ኣብ ኣቤል ይሕተቱ እሞ፡ መወዳእታ ነገር ይኸውን’ ይብሃል ነበረ። 19 ኣነስ ነቶም ሰላማውያንን እሙናትን እስራኤል እየ ዝውክል። ንስኻ ድማ ነዛ ኣብ እስራኤል ከም ኣደ ዝዀነት ከተማ ኸተጥፍኣ ትደሊ ኣለኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ የሆዋ እተዕኑ* ዘለኻ፧” በለቶ።+ 20 ዮኣብ ከኣ፡ “ኬዕንዋን ኬጥፍኣንሲ ኣባይ ዘይሕሰብ እዩ! 21 እቲ ነገር ከምኡ ኣይኰነን። ሸባ+ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣኽራን ኤፍሬም+ ዝዀነ ሰብኣይ፡ ካብ ንጉስ ዳዊት ዓልዩ* ኣሎ። ነዚ ሓደ ሰብኣይ እዚ ኣሕሊፍኩም እንተ ሂብኩምኒ፡ ካብዛ ኸተማ ኸንሳሕብ እየ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ ንዮኣብ፡ “እንሆ፡ ርእሱ ብልዕሊ መካበብያ ኺድርበየልካ እዩ” በለቶ። 22 ሽዑ፡ እታ ጥበበኛ ሰበይቲ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸደት፣ ንሳቶም ድማ ርእሲ ሸባ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሐ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ቤቱ ፋሕ በለ፣+ ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። 23 ዮኣብ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፣+ በናያ+ ወዲ የሆያዳ+ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን ነበረ።+ 24 ኣዶራም+ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ነበረ፣ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ ድማ መዝጋቢ ነበረ። 25 ሸዋእ ከኣ ጸሓፊ ነበረ፣ ጻዶቅን+ ኣብያታርን+ ድማ ካህናት ነበሩ። 26 ዒራ እቲ ያኢራዊ እውን ኣውራ ብዓል ስልጣን* ዳዊት ነበረ። 3 እቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ዝነበረ ውግእ ነዊሕ ቀጸለ፣ ዳዊት ከኣ እናበርትዐ ኸደ፣+ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት።+ 2 ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ።+ እቲ በዅሩ ኸኣ፡ ካብ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን+ እዩ። 3 እቲ ኻልኣዩ ድማ፡ ካብ ኣቢጋይል+ ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳዊ እተወልደ ኪልኣብ እዩ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ኣቤሴሎም+ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ+ ንጉስ ጌሹር እዩ። 4 እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት፡ እቲ ሓምሻይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ። 5 እቲ ሻድሻይ ድማ፡ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ። 6 ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ውግእ እናተገብረ ኸሎ፡ ኣብኔር+ ኣብ ቤት ሳኦል እናበርትዐ ኸደ። 7 ሳኦል ድማ ሪጽጳ+ ዝስማ ጓል ኣያ ዝዀነት ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽ-ቦሸት+ ከኣ ንኣብኔር፡ “ስለምንታይ ኢኻ ናብ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣቶኻ፧” በሎ።+ 8 ኣብኔር ድማ በቲ ዘረባ ኢሽ-ቦሸት ኣመና ተቘጢዑ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነዶ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ እየ፧ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ንኣሕዋቱን ንፈተውቱን ብተኣማንነት ኣፍቂረ እየ፣ ኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ሎሚ ግና ንስኻ ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ ስሕተት ቈጺርካለይ። 9 ንዳዊት ከምቲ የሆዋ ዝመሓለሉ እንተ ዘይገይረሉስ፡+ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ፣ 10 እታ መንግስትስ ካብ ቤት ሳኦል ክትሓልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ ክትጸንዕ እያ።”+ 11 ንሱ ኸኣ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኺምልሰሉ ኣይከኣለን።+ 12 ብኡብኡ፡ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ልኢኹ፡ “እዛ ምድሪ ናይ መን ድያ፧” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኪዳን እተወለይ እሞ፡ ኣነ እውን ኵሉ እስራኤል ናብ ጐድንኻ ንምምላስ፡ ዚከኣለኒ ዘበለ ኽገብር እየ”* በሎ።+ 13 ንሱ ድማ፡ “ጽቡቕ። ኣነ ምሳኻ ኺዳን ክኣቱ እየ። ሓደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ ኣለኹ፣ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእ፡ ንሚካል+ ጓል ሳኦል ከየምጻእካያ፡ ገጸይ ክትርኢ ኸይትፍትን” ኢሉ መለሰ። 14 ዳዊት ከኣ ናብ ኢሽ-ቦሸት+ ወዲ ሳኦል ልኡኻት ልኢኹ፡ “እታ ብ100 ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን እተሓጸኽዋ ሰበይተይ ሚካል ሃበኒ” በሎ።+ 15 ኢሽ-ቦሸት ድማ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ፡ ካብ ጳልጢኤል+ ወዲ ላይሽ ወሰዳ። 16 እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ክሳብ ባሑሪም+ እውን እናበኸየ ሰዓባ። ኣብኔር ከኣ፡ “ኪድ፡ ተመለስ!” በሎ። ንሱ ድማ ተመልሰ። 17 ኣብኔር ከኣ ናብ ዓበይቲ እስራኤል ልኢኹ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ኪነግስ ካብ ቀደም ትደልዩ ኔርኩም ኢኹም። 18 የሆዋ ድማ ንዳዊት፡ ‘ብኢድ ጊልያይ ዳዊት+ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ጸላእቶምን ከድሕኖም እየ’ ኢልዎ እዩ እሞ፡ ሕጂ ስጕምቲ ውሰዱ።” 19 ኣብኔር ከኣ ንሰብ ብንያም ተዛረቦም።+ ኣብኔር ድማ ንዳዊት ብብሕቲ ኺዛረቦን እስራኤልን ብዘላ ቤት ብንያምን እተሰማምዑሉ ኺነግሮን ናብ ኬብሮን ከደ። 20 ኣብኔር ድማ ምስ 20 ሰባት ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጸ፣ ዳዊት ከኣ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ድግስ ደገሰሎም። 21 ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ “ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ ከይደ ንዅሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦም፣ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ እትብህጎ* ትነግስ” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣብኔር ሰደዶ፡ ንሱ እውን ብሰላም ከደ። 22 ሽዑሽዑ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ምሳታቶም ብዙሕ ምርኮ ሒዞም ካብ ወራር ተመልሱ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ብሰላም ሰዲድዎ ኸይዱ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን። 23 ዮኣብን+ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ምስ መጹ፡ ንዮኣብ፡ “ኣብኔር+ ወዲ ኔር+ ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፣ ንሱ ኸኣ ሰዲድዎስ፡ ብሰላም ከይዱ” ተባሂሉ ተነግሮ። 24 ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ “እንታይ ኢኻ ጌርካ፧ እንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ነይሩ። ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝሰደድካዮ፧ 25 ንኣብኔር ወዲ ኔር ትፈልጦ ኢኻ! ኬዐሽወካን ኵሉ ምንቅስቓሳትካ ኺፈልጥን እትገብሮ ዅሉ ኺፈልጥን እዩ ናብዚ መጺኡ” በሎ። 26 ዮኣብ ከኣ ካብ ዳዊት ወጺኡ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም ድማ ካብ መዕቘር ማይ ሲራ መለስዎ፣ ዳዊት ግና ብዛዕባ እዚ ኣይፈለጠን። 27 ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡+ ዮኣብ ንበይኑ ገይሩ ኺዛረቦ ኢሉ ናብ ውሽጢ ኣፍ ደገ ኣላገሶ። ኣብኡ ግና፡ ብምኽንያት ደም ሓዉ ዓሳሄል+ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።+ 28 ደሓር፡ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “ኣነን መንግስተይን ካብ ዕዳ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንዘለኣለም ንጹሃት ኢና።+ 29 እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን+ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይመለስ። ኣብ ቤት ዮኣብ ፈሳሲ ዚክዓዎ፡+ ወይ ድዉይ፡+ ወይ መፍተል ዚፈትል፡* ወይ ብሰይፊ ዚወድቕ፡ ወይ እንጌራ ዚስእን ሰብ ኣይሰኣን!”+ በለ። 30 ንዓሳሄል ሓዎም ኣብቲ ኣብ ጊብዖን እተገብረ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡+ ዮኣብን ሓዉ ኣቢሻይን+ ንኣብኔር+ ቀተልዎ። 31 ዳዊት ድማ ንዮኣብን ንዅሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፡ “ክዳውንትኹም ቅደዱ፡ ማቕ እውን ተዓጠቑ፡ ንኣብኔር ከኣ ዋይዋይ በሉሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ቐብሪ ይኸይድ ነበረ። 32 ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፣ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ዓው ኢሉ በኸየ፣ ኵሎም ህዝቢ እውን በኸዩ። 33 ንጉስ ከኣ ንኣብኔር ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰሉ፦ “ኣብኔርዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት፧ 34 ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፡ኣእጋርካ እውን ብመቝሕ* ኣይተቓቐራን። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ* ዚወድቕ ወደቕካ።”+ ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ በኸዩሉ። 35 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ገና መዓልቲ ኸሎ፡ ንዳዊት ኬጸናንዕዎ ኢሎም እንጌራ* ኺህብዎ መጹ፣ ዳዊት ግና፡ “ጸሓይ ከይዓረበት እንጌራ ወይ ዝዀነ ነገር እንተ ጥዒመስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ!” ኢሉ መሓለ።+ 36 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነዚ ፈለጡ፡ ባህ እውን ኣበሎም። ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ዝገበሮ ነገር፡ እዚ እውን ንዅሎም እቶም ህዝቢ ባህ ኣበሎም። 37 ኵሎም እቶም ህዝብን ኵሉ እስራኤልን ከኣ፡ ንጉስ ንኣብኔር ወዲ ኔር ከም ዘየቕተሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።+ 38 ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ “በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 39 ሎሚ ኣነ እተቐባእኩ ንጉስ ክነሰይ፡+ ድኹም እየ፣ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ደቂ ጽሩያ+ ድማ ንዓይ ኣመና ሕሱማት እዮም።+ የሆዋ ደኣ ነቲ ገባር ክፉእ ከም ክፍኣቱ ይፍደዮ”+ በሎም። 24 ሓደ ኸኣ ንዳዊት፡ “ኪድ እሞ፡ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍጸሮም”+ ኢሉ ኣንጻሮም ምስ ኣለዓዓሎ፡*+ ቍጥዓ የሆዋ መሊሱ ኣብ እስራኤል ነደደ።+ 2 ንጉስ ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዮኣብ+ እቲ ሓለቓ ሰራዊት፡ “ቍጽሪ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ በጃኻ፡ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ+ ዜርካ ነቲ ህዝቢ መዝግቦ” በሎ። 3 ዮኣብ ግና ንንጉስ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ነቲ ህዝቢ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ይርኣያኦ፣ ግናኸ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ከምዚ ኺገብር ደልዩ፧” በሎ። 4 ቃል ንጉስ ግና ንዮኣብን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ሰዓሮም። ዮኣብን እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ኪምዝግቡ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ።+ 5 ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ዓሮዔር፡+ ብየማን* እታ ኸተማ ኣብ ማእከል እቲ ስንጭሮ፡* ናብ ጋዳውያን፡ ናብ ያዕዜር+ ኣቢሎም ሰፈሩ። 6 ድሕርዚ፡ ናብ ጊልዓድን+ ናብ ምድሪ ታሕቲም-ሖድሺን ከዱ፣ ናብ ዳን-ያዓን መጺኦም ድማ፡ ናብ ሲዶን+ ኣቢሎም ዞሩ። 7 ናብ ዕርዲ ጢሮስን+ ናብ ኵለን ከተማታት ሒዋውያንን+ ከነኣናውያንን ከኣ ከዱ፣ ኣብ ነጌብ+ ናይ ይሁዳ ኣብ ብኤር-ሸባዕ+ ድማ ዛዘሙ። 8 በዚ ኸምዚ፡ ንዅላ እታ ምድሪ ዞይሮም ኣብ መወዳእታ ትሽዓተ ወርሕን 20 መዓልትን ናብ የሩሳሌም መጹ። "9 ዮኣብ ከኣ ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ህዝቢ ንንጉስ ሃቦ። እስራኤል ድማ ሰይፊ እተዓጥቁ 800,000 ተዋጋእቲ ዀኑ፣ ሰብ ይሁዳ ኸኣ 500,000 ኰኑ።+ " 10 ዳዊት ግና ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ፡ ልቡ* ብጣዕሳ ወቕዖ።+ ዳዊት ድማ ንየሆዋ፡ “እዚ ብምግባረይ ብዙሕ ሓጢአ እየ።+ ብዙሕ ከኣ ዓሽየ እየ እሞ፡+ ሕጂ ድማ ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ንስሕተት ጊልያኻ ይቕረ በል”+ በሎ። 11 ዳዊት ንግሆ ምስ ተንስአ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ጋድ፡+ ናይ ዳዊት ብዓል ራእይ፡ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ 12 “ኪድ እሞ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰለስተ ኣማራጺ እህበካ ኣለኹ። ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽኦስ፡ ሓዲኡ ሕረ።”’”+ 13 ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “ኣብ ምድርኻ ሸውዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጸካዶ፧+ ወይ ሰለስተ ወርሒ ተጻረርትኻ እናሰጐጉኻ ኻብ ቅድሚኦም ክትሃድምዶ፧+ ወይ ኣብ ምድርኻ ሰለስተ መዓልቲ ለበዳ ኪኸውንዶ፧+ ሕጂ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ኢለ ኸም ዝምልሰሉ ተጠንቂቕካ ሕሰብ” ኢሉ ነገሮ። 14 ዳዊት ከኣ ንጋድ፡ “ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ። ግናኸ፡ ምሕረቱ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኣብ ኢድ የሆዋ ደኣ ንውደቕ እምበር፡+ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይውደቕ”+ በሎ። "15 ሽዑ፡ የሆዋ ኻብ ንግሆ ኣትሒዙ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ግዜ ናብ እስራኤል ለበዳ ሰደደ፣+ ካብቲ ህዝቢ ድማ፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ፡+ 70,000 ሰባት ሞቱ።+" 16 እቲ መልኣኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፡ የሆዋ በቲ መዓት ተጣዕሰ፣*+ ነቲ ንህዝቢ ዜጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ “ይኣክል! ሕጂ ኢድካ ኣውርዳ” በሎ። መልኣኽ የሆዋ ድማ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና+ እቲ ይቡሳዊ+ ነበረ። 17 ዳዊት ነቲ ንህዝቢ ዚወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረኣዮ፡ ንየሆዋ፡ “ኣነ እየ ሓጢአ፡ ኣነ እየ በዲለ፣ እዘን ኣባጊዕ+ እዚአን ግና እንታይ ገይረን፧ በጃኻ፡ ኢድካ ኣንጻረይን ኣንጻር ቤት ኣቦይን ትኹን” በሎ።+ 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጋድ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “ደይብ እሞ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ ንየሆዋ መሰውኢ ኣቝም” በሎ።+ 19 ዳዊት ከኣ ከም ቃል ጋድ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ደየበ። 20 ኣራውና ድማ ኣንቈልቊሉ ጠሚቱ፡ ንጉስን ገላዉኡን ናብኡ ኺመጹ ምስ ረኣየ፡ ብኡብኡ ኣራውና ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ሰገደሉ። 21 ኣራውና ኸኣ፡ “ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዳዊት ድማ፡ “እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝመጸ መቕዘፍቲ ደው ምእንቲ ኺብል፡ ንየሆዋ መሰውኢ ኽሰርሓሉስ፡ ነዚ ዓውዲ እዚ ኻባኻ ኽዕድጎ” ኢሉ መለሰሉ።+ 22 ኣራውና ኸኣ ንዳዊት፡ “ጐይታይ ንጉስ ይውሰዶ፡ ጽቡቕ ዝመሰሎ* ድማ የቕርበሉ። ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ ንዕንጨይቲ ዚኸውን ድማ እቲ መኼድን እቲ ናውቲ እቶም ከብትን እንሆ። 23 ኦ ንጉስ፡ እዚ ዅሉ፡ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ” በሎ። ኣራውና ኸኣ ንንጉስ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ሞገስ የርኢኻ” በሎ። 24 ንጉስ ግና ንኣራውና፡ “ኣይፋልን፡ ብዋጋ ደኣ እየ ኻባኻ ዝዕድጎ። ዋጋ ብዘይከፈልኩሉስ ንየሆዋ ኣምላኸይ ዚሓርር መስዋእቲ ኣየቕርበሉን እየ” በሎ። ዳዊት ድማ ነቲ ዓውድን ነቶም ከብትን ብ50 ሲቃል* ብሩር ዓደጎም።+ 25 ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን እውን ኣቕረበ። የሆዋ ኸኣ ንልማኖ እታ ምድሪ መለሰ፡+ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝመጸ መቕዘፍቲ ኸኣ ደው በለ። 7 ንጉስ ኣብ ቤቱ* ምስ ተቐመጠ፡+ የሆዋ ኸኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡ 2 ንጉስ ንነብዪ ናታን፡+ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ቄድሮስ እነብር ኣለኹ፡+ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና ኣብ ማእከል ዓለባታት ድንኳን ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+ 3 ናታን ድማ ንንጉስ፡ “የሆዋ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ እውን ግበር” በሎ።+ 4 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ናታን መጸ፦ 5 “ኪድ እሞ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሃንጸለይ ኢኻ፧+ 6 ካብታ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘደየብኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ+ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እመላለስ ነበርኩ እምበር፡+ ኣብ ቤትሲ እነብር ኣይነበርኩን። 7 ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ኵሎም እስራኤላውያን* እተመላለስኩሉ እዋን፡ ንህዝበይ እስራኤል ኪጓሲ ንዝሸምክዎ ዝዀነ ኻብ መራሕቲ ነገዳት እስራኤል፡ ‘ስለምንታይ ቤት ቄድሮስ ዘይሃነጽኩምለይ፧’ ኢለዶ ሓንቲ ቓል ተዛሪበ እየ፧”’ 8 ሕጂ ድማ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፡+ ካብ መጓሰዪታት፡ ንመጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲደካ እየ።+ 9 ኣብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ንዅሎም ጸላእትኻ እውን ካብ ቅድሜኻ ኸጥፍኦም እየ።+ ንዓኻ ድማ ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት፡ ዓብዪ ስም ክገብረልካ እየ።+ 10 ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኽምድበሉን ከስፍሮን እየ፣ ኣብኣ ኸኣ ኪነብሩ፡ ደጊም እውን ኣይኪርበሹን እዮም። እኩያት ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ገይሮም መሊሶም ኣይኪጭቍንዎምን እዮም፣+ 11 እወ፡ ደጊም ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈራዶ ዝሸምኩላ መዓልቲ+ ኣትሒዞም ዝገበርዎም ኣይኪገብርዎምን እዮም። ካብ ኵሎም ጸላእትኻ ኸኣ ዕረፍቲ ኽህበካ እየ።+ “‘“የሆዋ ንዓኻ ቤት* ከም ዚሰርሓልካ እውን፡ የሆዋ ይነግረካ ኣሎ።+ 12 መዓልትታትካ ምስ ተወድኣን+ ምስ ኣቦታትካ ምስ ደቀስካን፡ ብድሕሬኻ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ኸተንስእ እየ፣ ነታ መንግስቱ እውን ከጽንዓ እየ።+ 13 ንሱ ንስመይ ቤት ኪሃንጽ እዩ፣+ ኣነ ድማ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።+ 14 ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፣ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ።+ እንተ በዲሉ፡ ብበትሪ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን* ገይረ ኽገንሖ እየ።+ 15 ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይ፡ ከምቲ ኻብቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘርሓቕክዎ ሳኦል ዘልገስክዎ ገይረ፡+ ካብኡ ኣይከልግስን እየ። 16 ቤትካን መንግስትኻን ድማ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዓ እየን፣ ዝፋንካ እውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።”’”+ 17 ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዝን ብምሉኡ እዚ ራእይ እዝን ነገሮ።+ 18 ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣትዩ ተቐመጠ እሞ፡ ከምዚ በለ፦ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ መን እየ፧ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ቤተይ እንታይ እያ፧+ 19 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዚ ኸይኣክልሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርሑቕ ግዜ ኣብ ቤት ጊልያኻ ዚኸውን እውን ተዛሪብካ ኢኻ፣ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዚ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ትእዛዝ* እዩ። 20 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጠኒ ኻብ ኰንካስ፡+ ጊልያኻ ዳዊት እሞ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኪብል ይኽእል፧ 21 ምእንቲ ቓልካ ኢልካን ምስ ልብኻ* ብምስምማዕን፡ ኵሉ እዚ ዓብዪ ነገራት እዚ ጌርካን ንጊልያኻ ገሊጽካሉን ኢኻ።+ 22 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ስለዚ ብሓቂ ዓብዪ ኢኻ።+ ከማኻ ዝበለ የልቦን፣+ ብዘይካኻ እውን ኣምላኽ የልቦን።+ ኵሉ እቲ ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮ፡ ነዚ እዩ ዜረጋግጽ። 23 ኣምላኽ ከይዱ ህዝቡ ኪኸውን እተበጀዎ፡+ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ብምግባር ከኣ+ ንርእሱ ስም ዝገበረሉ፡+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ኣብ ምድሪ ኣየናይ ህዝቢ እዩ፧+ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ኪኸውን ካብ ግብጺ እተበጆኻዮ ህዝብኻ ኢልካ፡ ንኣህዛብን ንኣማልኽቶምን ሰጐጕካዮም። 24 ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ንሓዋሩ ህዝብኻ ኪኸውን ኣቘምካዮ፣+ ንስኻ እውን ኦ የሆዋ፡ ኣምላኾም ኰንካ።+ 25 “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ እቲ ብዛዕባ ጊልያኻን ብዛዕባ ቤቱን ዘተስፎኻዮ ነገር ንሓዋሩ ይፈጸም፣ ንስኻ እውን ከምቲ ዘተስፎኻዮ ግበር።+ 26 ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣምላኽ እዩ’ ምእንቲ ኺብሉ፡ ስምካ ንዘለኣለም ልዕል ይበል፣+ ቤት ጊልያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ትጽናዕ።+ 27 ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻስ ንጊልያኻ፡ ‘ቤት* ክሃንጸልካ እየ’ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ።+ ስለዚ እዩ ጊልያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባኻ ኺጽሊ ዝተብዐ።* 28 ሕጂ ድማ፡ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻ ኸኣ ሓቂ እዩ፡+ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ እውን ንጊልያኻ ኣተስፊኻዮ ኢኻ። 29 እምበኣር፡ ንስኻ ንቤት ጊልያኻ ንምብራኽ ፍታውካ ይኹን፡ ንሳ እውን ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ትኹን፣+ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ኣተስፊኻ ኢኻ እሞ፡ ቤት ጊልያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ትባረኽ።”+ 12 የሆዋ ድማ ንናታን+ ናብ ዳዊት ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ መጺኡ+ ኸምዚ በሎ፦ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኡት ነበሩ፣ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ። 2 እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ከብትን ነበራኦ።+ 3 እቲ ድኻ ግና ብዘይካ ሓንቲ ዝዓደጋ ንእሽቶ ሽበን፡* ገለ እኳ ኣይነበሮን።+ ንሱ ድማ ይከናኸና ነበረ፣ ምስኡን ምስ ደቁን ከኣ ዓበየት። ካብታ ዘላቶ ቝራስ ትበልዕ፡ ካብ ጽዋኡ ድማ ትሰቲ፡ ኣብ ሕቝፉ እውን ትድቅስ ነበረት። ንዕኡ ኸኣ ከም ጓሉ ዀነት። 4 ደሓር፡ ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ሓደ ጋሻ መጾ፣ ንሱ ግና ነቲ ዝመጾ ተጓዓዛይ ካብ ኣባጊዑን ካብ ከብቱን ምግቢ ኸየዳልወሉስ በቐቐን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ፡ ነቲ ዝመጾ ሰብኣይ ኣዳለወሉ።”+ 5 ሽዑ፡ ዳዊት ኣብቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ተቘጥዐ እሞ፡ ንናታን፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ኪመውት ይግብኦ! 6 እዚ ስለ ዝገበረን ርሕራሐ ስለ ዘይነበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ዕጽፊ ገይሩ ይኽሓስ” በሎ።+ 7 ናታን ከኣ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ። የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ፣+ ካብ ኢድ ሳኦል ዘናገፍኩኻ እውን ኣነ እየ።+ 8 ቤት ጐይታኻ ድማ ሂበካ፡+ ኣንስቲ ጐይታኻ እውን ኣብ ሕቝፍኻ ሂበካ፣+ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ሂበካ።+ እዚ እንተ ዘይኣኺሉካ ድማ፡ ዝያዳ ምወሰኽኩልካ ነይረ።+ 9 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ብምግባር፡ ስለምንታይ ቃሉ ንዒቕካ፧ ንኡርያ እቲ ሔታዊ ብሰይፊ ቐቲልካዮ።+ ንዕኡ ብሰይፊ ዓሞናውያን ምስ ቀተልካዮ ኸኣ፡+ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሲድካያ።+ 10 ሕጂ፡ ንሰበይቲ ኡርያ እቲ ሔታዊ ሰበይትኻ ኽትከውን ብምውሳድ ስለ ዝነዓቕካኒ፡ ሰይፊ ኻብ ቤትካ ኸቶ ኣይኬልግስን እዩ።’+ 11 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ካብ ውሽጢ ቤትካ መዓት ከምጽኣልካ እየ፣+ ንኣንስትኻ ድማ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ወሲደ፡ ንኻልእ ሰብኣይ* ክህቦ እየ፣+ ንሱ ኸኣ ምስ ኣንስትኻ ቐትሪ ምድሪ* ኺድቅስ እዩ።+ 12 ንስኻ ብሕቡእ እኳ እንተ ገበርካዮ፡+ ኣነ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ቀትሪ ምድሪ* ኽገብሮ እየ።’” 13 ዳዊት ከኣ ንናታን፡ “ንየሆዋ በዲለዮ” ኢሉ መለሰሉ።+ ናታን ድማ ንዳዊት፡ “የሆዋ ኸኣ በደልካ ሓዲጉልካ እዩ።+ ኣይክትመውትን ኢኻ።+ 14 ግናኸ፡ በዚ ነገር እዚ ንየሆዋ ፈጺምካ ስለ ዝነዓቕካዮ፡ እቲ እተወልደልካ ወዲ ብርግጽ ኪመውት እዩ” በሎ። 15 ናታን ድማ ናብ ቤቱ ኸደ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ሰበይቲ ኡርያ ንዳዊት ዝወለደትሉ ሕጻን ወቕዖ፡ ንሱ እውን ሓመመ። 16 ዳዊት ድማ ምእንቲ እቲ ሕጻን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ለመኖ። ዳዊት ከኣ ጾም ጾመ፣ ኣትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ይሓድር ነበረ።+ 17 ዓበይቲ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ካብ ምድሪ ኼተንስእዎ ፈተኑ፣ ንሱ ግና ኣበየ፡ ምሳታቶም እውን ኣይበልዐን። 18 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ እቲ ሕጻን ሞተ፣ ገላዉ ዳዊት ግና፡ “እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ተዛሪብናዮ ዘይሰምዓናስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኽንነግሮ፧ ክፉእ ነገር ኪገብር እዩ” ኢሎም እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ምንጋሩ ፈርሁ። 19 ዳዊት ድማ፡ ገላዉኡ ንሓድሕዶም ሕሽዅሹዅ ኪባሃሃሉ ምስ ረኣየ፡ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኣስተውዓለ። ዳዊት ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ “እቲ ሕጻንዶ ሞይቱ እዩ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ሞይቱ” ኢሎም መለሱሉ። 20 ሽዑ፡ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንስአ። ተሓጽበ፡ ዘይቲ ተለኽየ፡+ ክዳውንቱ ለወጠ፡ ናብ ቤት የሆዋ ኸይዱ+ ኸኣ ሰገደ። ድሕሪኡ፡ ናብ ቤቱ* መጺኡ፡ እንጌራ ኪቐርበሉ ሓቲቱ በልዐ። 21 ገላዉኡ ድማ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚ ዝገበርካ፧ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ፡ ጾይምካን በኺኻን፣ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡ ተንሲእካ እንጌራ በሊዕካ” ኢሎም ሓተትዎ። 22 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ፡ ‘የሆዋ ሞገስ እንተ ኣርኣየኒ እሞ፡ ነቲ ሕጻን ብህይወት እንተ ሓደጎ፡ መን ይፈልጥ፧’+ ኢለ ጾይመን+ በኽየን። 23 ሕጂ ኻብ ሞተ ግና፡ ስለምንታይ እጸውም፧ ክመልሶዶ እኽእል እየ፧+ ኣነ ደኣ ናብኡ እኸይድ እምበር፡+ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ”+ ኢሉ መለሰ። 24 ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ባትሴባ ኣጸናንዓ።+ ናብኣ ኣትዩ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ። ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፡ ሰሎሞን* ተባሂሉ እውን ተሰምየ።+ የሆዋ ኸኣ ፈተዎ፣+ 25 ብነብዪ ናታን ልኢኹ ድማ፡+ ምእንቲ የሆዋ ኢሉ ስሙ የዲድያ* ኣውጽኣሉ። 26 ዮኣብ ከኣ ንራባ+ ናይ ዓሞናውያን+ ተዋግኣ፣ ነታ ኸተማ ንጉስ* ድማ ሓዛ።+ 27 ዮኣብ ከኣ ናብ ዳዊት ልኡኻት ልኢኹ፡ “ንራባ ተዋጊአያ፡+ ንማያት* እታ ኸተማ እውን ሒዘዮ። 28 ሕጂ ድማ፡ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ፡ ኣነ ኸይውደስሲ፡* ነቲ ዝተረፈ ሰራዊት ኣኪብካ፡ ኣንጻር እዛ ኸተማ ስፈርን ሓዛን” በሎ። 29 ዳዊት ከኣ ንዅሉ ሰራዊት ኣኪቡ፡ ናብ ራባ ኸደ፡ ተዋጊኡ እውን ሓዛ። 30 ዘውዲ ማልካም ድማ ካብ ርእሱ ወሰደ። ሚዛኑ ኸኣ ሓደ ታለንት* ወርቂ ነበረ፣ ክቡራት ኣእማን እውን ነበሮ፣ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ተገብረ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ወሰደ።+ 31 ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ኣውጺኡ፡ ኣእማን ብመጋዝ ከም ዚቘርጹ፡ ብበላሕቲ ናውቲ ሓጺንን ብፋሳት ሓጺንን ከም ዚሰርሑ፡ ሕጡብ እውን ከም ዚሰርሑ ገበሮም። ንዅለን ከተማታት ዓሞናውያን ከኣ ከምኡ ገበረን። ዳዊትን ኵሉ እቲ ሰራዊትን ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 1 ድሕሪ ሞት ሳኦል፡ ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ* ምስ ተመልሰ፡ ዳዊት ኣብ ጺቅላግ+ ክልተ መዓልቲ ገበረ። 2 ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱ እውን ሓመድ ነስኒሱ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል መጸ። ናብ ዳዊት ምስ ቀረበ ድማ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። 3 ዳዊት ከኣ፡ “ካበይ ኢኻ መጺእካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ካብ ሰፈር እስራኤል እየ ኣምሊጠ” ኢሉ መለሰሉ። 4 ዳዊት ከኣ፡ “እቲ ነገር ከመይ ኰይኑ፧ በጃኻ ንገረኒ” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሃዲሙ፡ ብዙሓት ከኣ ወዲቖምን ሞይቶምን። ሳኦልን ወዱ ዮናታንን እውን ሞይቶም” በሎ።+ 5 ሽዑ፡ ዳዊት ነቲ ወረ ዘምጽአ ጐበዝ፡ “ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ጌርካ ፈሊጥካ፧” ኢሉ ሓተቶ። 6 እቲ ጐበዝ ድማ፡ “ብኣጋጣሚ ኣብ ከረን ጊልቦዓ ነበርኩ፣+ ሳኦል ድማ ኣብኡ ኣብ ኲናቱ ተመርኲሱ ነበረ፣ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከኣ ኣርከብዎ።+ 7 ግልጽ ኢሉ ምስ ረኣየኒ፡ ጸውዓኒ እሞ፡ ‘እነኹ’ በልክዎ። 8 ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ፡ ‘ኣማሌቃዊ እየ’+ ኢለ መለስኩሉ። 9 ንሱ ድማ፡ ‘ገና ብህይወት እኳ እንተ ኣለኹ፡* ብርቱዕ ስቓይ ኣሎኒ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ልዕለይ ደው ኢልካ ቕተለኒ’ በለኒ። 10 ኣነ ኸኣ፡ ቈሲሉ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ።+ ነቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድክዎ እሞ፡ ናብዚ ናብ ጐይታይ ኣምጺአዮ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። 11 ሽዑ፡ ዳዊት ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፣ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት እውን ከምኡ ገበሩ። 12 ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ የሆዋን ንቤት እስራኤልን፡ ብሰይፊ ወዲቖም ስለ ዝነበሩ፡+ ዋይዋይ በሉሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸት እውን ጾሙ።+ 13 ዳዊት ድማ ነቲ ወረ ዘምጽአ ጐበዝ፡ “ኣታ ኻበይ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ” በለ። 14 ዳዊት ድማ፡ “ነቲ ቕቡእ የሆዋ ንምቕታል ኢድካ ኸተልዕል ዘይፈራህካስ ስለምንታይ ኢኻ፧” በሎ።+ 15 ሽዑ፡ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ጸዊዑ፡ “ቅረብ እሞ፡ ውቕዓዮ” በሎ። ንሱ ኸኣ ወቕዖ እሞ ሞተ።+ 16 ዳዊት ድማ፡ “‘ኣነ ነቲ ቕቡእ የሆዋ ቐቲለዮ’ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” በሎ።+ 17 ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ወዱ ዮናታንን እዚ ልቕሶ እዚ ኣልቀሰ፣+ 18 ደቂ ይሁዳ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ያሻር ተጻሒፉ ዘሎ፡+ “ቀስቲ” ዚብሃል ልቕሶ ኺምሃርዎ ኸም ዘለዎም እውን ተዛረበ፦ 19 “ኦ እስራኤል፡ ጽባቐኻ ኣብ በረኽትኻ ተቐትሉ።+ እቶም ጀጋኑስ ከመይ ወደቑ! 20 ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ከይፍስሃስ፡ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡+ኣብ ጐደናታት ኣሽቀሎን እውን ኣይተውርዩ። 21 ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡+ኣብኡ ዋልታ ጀጋኑ ረኺሱ፡ዋልታ ሳኦል እውን ደጊም ብዘይቲ ኣይተቐብአን እሞ፡ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ግራውቲ እውን መባእ ኣየፍሪ።+ 22 ካብ ደም ቅቱላት፡ ካብ ስብሒ ጀጋኑ፡ቀስቲ ዮናታን ኣይተመልሰን፡+ሰይፊ ሳኦል እውን ብዘይ ኣሳልጦ ኣይትምለስን።+ 23 ሳኦልን ዮናታንን+ ብህይወቶም ፍቑራትን ተፈተውትን* ነበሩ፣ብሞቶም እውን ኣይተፈላለዩን።+ ካብ ንስሪ ዚፈጥኑ፡+ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።+ 24 ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡ነቲ ቐይሕን ግምጃን ዝኸደነክን፡ኣብ ክዳውንትኽን እውን ወርቂ ዝሰለመክን ሳኦል ብኸያሉ። 25 እቶም ጀጋኑ ኸመይ ኣብ ውግእ ወደቑ! ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ተቐትለ!+ 26 ዮናታን ሓወይ፡ ብኣኻ ተጨኒቐ ኣለኹ። ኣዝየ እፈትወካ ነይረ።+ ንዓይ ዝነበረካ ፍቕሪ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ብዝያዳ ዜደንቕ ነበረ።+ 27 እቶም ጀጋኑ ኸመይ ወደቑ፡ኣጽዋር ውግኦም እውን ከመይ ጠፍአ!” 8 ድሕርዚ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን+ ሰዓሮምን ኣምበርከኾምን፣+ ዳዊት ከኣ ንሜቴግ-ኣማህ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰዳ። 2 ንሞኣባውያን ስዒሩ ድማ፡+ ኣብ ምድሪ በጥ ኣቢሉ ብገመድ ለክዖም። ክልተ ገመድ ኪቕተሉ፡ ሓደ ገመድ ምሉእ ከኣ ብህይወት ኪነብሩ ለክዐ።+ ሞኣባውያን ድማ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ግብሪ ኣምጽኡሉ።+ 3 ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ፈለግ ኤፍራጥስ ዝነበሮ ስልጣን ኬምልስ ኪኸይድ ከሎ፡+ ንሃዳድዔዘር ወዲ ሬሖብ ንጉስ ጾባ ሰዓሮ።+ "4 ዳዊት ድማ ካብኡ 1,700 ፈረሰኛታትን 20,000 ኣጋር ተዋጋእትን ማረኸ። ዳዊት ከኣ 100 ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፡ ንዅሎም ቀንጀቦም።+ " "5 እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን+ ንሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድእዎ ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን 22,000 ቀተለ።+" 6 ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቆ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ግብሪ ኣምጽኡሉ። የሆዋ ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+ 7 ዳዊት ከኣ ከበብቲ ዋላቱ ወርቂ ኻብ ገላዉ ሃዳድዔዘር ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ።+ 8 ንጉስ ዳዊት ድማ ካብ ቤጣሕን ቤሮታይን፡ ከተማታት ሃዳድዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ነሓሲ ወሰደ። 9 ቶዒ ንጉስ ሓማት+ ከኣ፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድዔዘር+ ከም ዝሰዓሮ ሰምዐ። 10 ሃዳድዔዘር ምስ ቶዒ ብዙሕ ሳዕ ይዋጋእ ነበረ እሞ፡ ቶዒ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ድሕንነቱ ኺሓትቶን ንሃዳድዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ሓጐሱ ኺገልጸሉን ኢሉ፡ ንዮራም ወዱ ለኣኸሉ፣ ንሱ ድማ ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ኣቕሑ ነሓስን ኣምጽአ። 11 ንጉስ ዳዊት ከኣ ነዚ ንየሆዋ ቐደሶ። ነቲ ኻብ ኵሎም እቶም ዘምበርከኾም ኣህዛብ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡+ 12 ማለት ነቲ ኻብ ሶርያን ካብ ሞኣብን+ ካብ ዓሞናውያንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን+ ካብ ኣማሌቃውያንን+ ካብ ምርኮ ሃዳድዔዘር+ ወዲ ሬሖብ ንጉስ ጾባን ዝረኸቦ እውን ከምኡ ገበሮ። "13 ዳዊት ድማ ኣብ ስንጭሮ ጨው 18,000 ኤዶማውያን ቀቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ንርእሱ ስም ገበረ።+" 14 ኣብ ኤዶም ከኣ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ። ኣብ ኵላ ኤዶም ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ገላዉ ዳዊት ኰኑ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+ 15 ዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነጊሱ ነበረ፣+ ዳዊት ከኣ ንዅሎም ህዝቡ ፍትሕን ጽድቅን+ ይገብር ነበረ።+ 16 ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ነበረ፣ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ መዝጋቢ ነበረ። 17 ጻዶቅ+ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፣ ሰራያ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ። 18 በናያ+ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን ነበረ።+ ደቂ ዳዊት ከኣ ኣውራታት ሰበ ስልጣን* ነበሩ። 11 ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* በቲ ነገስታት ንወፈራታት ዚወጹሉ ግዜ፡ ዳዊት ንዮኣብን ንገላዉኡን ንብዘሎ ሰራዊት እስራኤልን፡ ንዓሞናውያን ኬጥፍእዎም ሰደዶም፣ ንሳቶም ከኣ ንራባ ኸበብዋ፣+ ዳዊት ድማ ኣብ የሩሳሌም ጸንሐ።+ 2 ሓደ ምሸት፡* ዳዊት ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት* ንጉስ ይመላለስ ነበረ። ካብቲ ናሕሲ ኸኣ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትሕጸብ ረኣየ፣ እታ ሰበይቲ ድማ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት። 3 ዳዊት ከኣ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓተተ፣ “እዚኣስ ባትሴባ+ ጓል ኤሊዓም፡+ ሰበይቲ ኡርያ+ እቲ ሔታዊ+ ደይኰነትን፧” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። 4 ዳዊት ከኣ ልኡኻት ልኢኹ ናብኡ ኣምጽኣ።+ ናብኡ ድማ ኣተወት፡ ንሱ እውን ምስኣ ደቀሰ።+ (እዚ ዝዀነ፡ ካብ ርኽሰታ* ትነጽህ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ።)+ ድሕሪኡ፡ ናብ ቤታ ተመልሰት። 5 እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት፣ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ “ኣነ ጠኒሰ እየ” ኢላ ነገረቶ። 6 ሽዑ፡ ዳዊት ንዮኣብ፡ “ንኡርያ እቲ ሔታዊ ስደደለይ” ኢሉ ለኣኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ። 7 ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ፡ ዳዊት ብዛዕባ ድሕንነት ዮኣብን ብዛዕባ ድሕንነት እቲ ሰራዊትን ብዛዕባ ዅነታት እቲ ውግእን ሓተቶ። 8 ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ “ናብ ቤትካ ወሪድካ ኣዕርፍ”* በሎ። ኡርያ ኻብ ቤት ንጉስ ምስ ወጸ፡ ህያብ ንጉስ* ደድሕሪኡ ተላእከ። 9 ኡርያ ግና ምስ ኵሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ደቀሰ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። 10 ንዳዊት ድማ፡ “ኡርያ ናብ ቤቱ ኣይወረደን” ተባሂሉ ተነግሮ። ሽዑ፡ ዳዊት ንኡርያ፡ “ካብ መገዲ ደይኰንካን መጺእካ፧ ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካ፧” በሎ። 11 ኡርያ ኸኣ ንዳዊት፡ “ታቦትን+ እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ዳሳት ተቐሚጦም ኣለዉ፣ ጐይታይ ዮኣብን ገላዉ ጐይታይን ድማ ኣብ ቃልዕ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ። ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክኣቱ እየ፧+ ከምቲ ህያው ዝዀንካን ብህይወት እትነብርን፡* እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ” በሎ። 12 ዳዊት ድማ ንኡርያ፡ “ሎሚ እውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ከኣ ክሰድደካ እየ” በሎ። ኡርያ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ጸንሐ። 13 ዳዊት ከኣ ናብኡ መጺኡ ምስኡ ኺበልዕን ኪሰትን ልኢኹ ጸውዖ፣ ኣስከሮ ድማ። ምሸት ግና፡ ምስ ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ዓራቱ ኺድቅስ ወጸ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። 14 ንግሆ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ብኢድ ኡርያ ሰደደሉ። 15 ኣብታ ደብዳበ ድማ፡ “ንኡርያ ናብ ግምባር ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ። ተወቒዑ ምእንቲ ኺመውት ከኣ፡ ካብ ድሕሪኡ ኣንሳሕቡ” ኢሉ ጸሓፈ።+ 16 ዮኣብ ከኣ ነታ ኸተማ ተጠንቂቑ ይሕልዋ ነበረ፣ ንኡርያ ድማ ኣብታ ሓያላት ጀጋኑ ኸም ዘለውዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ። 17 ሰብ እታ ኸተማ ወጺኦም ምስ ዮኣብ ምስ ተዋግኡ፡ ገለ ኻብ ገላዉ ዳዊት ወደቑ፡ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞተ።+ 18 ዮኣብ ድማ ብዛዕባ ዅሉ ወረ እቲ ውግእ፡ ንዳዊት ለኣኸሉ። 19 ነቲ ልኡኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ብዛዕባ ዅሉ ወረ እቲ ውግእ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ፡ 20 ንጉስ ተቘጢዑ፡ ‘ስለምንታይ ክትዋግኡ ናብታ ኸተማ ኣዚኹም ቀሪብኩም፧ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርውሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 21 ንኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት+ መን እዩ ዝቐተሎ፧+ ሰበይቲ ደይኰነትን ኣብ ቴቤጽ ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ደርብያ ዝቐተለቶ፧ ስለምንታይ ደኣ ናብ መንደቕ ኣዚኹም ቀሪብኩም፧’ ኪብለካ ይኽእል እዩ። ሽዑ፡ ንስኻ፡ ‘ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞይቱ’ በሎ።” 22 እቲ ልኡኽ ድማ ከደ፡ ኵሉ እቲ ዮኣብ ዝለኣኾ ኸኣ ንዳዊት ነገሮ። 23 እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት፡ “እቶም ሰባት በርቲዖምና፡ ናባና ናብ መሮር ከኣ ወጺኦም፣ ንሕና ግና ክሳዕ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደፊእናዮም። 24 እቶም ቀስተኛታት ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርዊሮምሎም፣ ገለ ኻብ ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞይቶም፣ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞይቱ” በሎ።+ 25 ሽዑ፡ ዳዊት ነቲ ልኡኽ፡ “ንዮኣብ፡ ‘ሰይፊ ነዝን ነትን እዩ ዚውሕጥ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኣይረብሽካ። ነታ ኸተማ ኣበርቲዕካ ተዋግኣያን ስዓራን’ በሎ።+ ንስኻ እውን ኣተባብዓዮ” በሎ። 26 ሰበይቲ ኡርያ ድማ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፡ ንሰብኣያ ሓዘነትሉ። 27 ሓዘና ምስ ተወድአ፡ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤቱ ወሰዳ እሞ፡ ሰበይቱ ዀነት፣+ ወዲ ኸኣ ወለደትሉ። እቲ ዳዊት ዝገበሮ ግና ንየሆዋ ብዙሕ ኣጕሃዮ።*+ 2 ድሕርዚ፡ ዳዊት ንየሆዋ፡ “ናብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ይሁዳዶ ኽድይብ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ፡ “ናብ ኣየነይቲ ኽድይብ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ናብ ኬብሮን”+ ኢሉ መለሰሉ። 2 ሽዑ፡ ዳዊት ምስ ክልተ ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል+ ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳውን፡ ናብኣ ደየበ። 3 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፡+ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ፡ ኣደየቦም፣ ኣብ ከባቢ ኬብሮን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት ድማ ተቐመጡ። 4 ሰብ ይሁዳ ኸኣ መጺኦም፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኺነግስ ኣብኣ ቐብእዎ።+ ንዳዊት ድማ፡ “ንሳኦል ዝቐበርዎ፡ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እዮም” ኢሎም ነገርዎ። 5 ዳዊት ከኣ ናብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ልኡኻት ልኢኹ ኸምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ሳኦል ብምቕባር ብተኣማንነት ኣፍቂርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ብየሆዋ ተባረኹ።+ 6 የሆዋ ንዓኻትኩም ብተኣማንነት የፍቅርኩምን ተኣማንነቱ የርኢኹምን። እዚ ስለ ዝገበርኩም፡ ኣነ እውን ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ።+ 7 ሕጂ ድማ፡ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ፡ ቤት ይሁዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ክነግስ ቀቢኦምኒ እዮም እሞ፡ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ፡ ተባዓት ድማ ኩኑ።” 8 ኣብኔር+ ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና፡ ንኢሽ-ቦሸት+ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፡ ናብ ማሓናዪም+ ኣሳገሮ፣ 9 ኣብ ልዕሊ ጊልዓድን+ ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ይዝርኤልን+ ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን+ ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ከኣ ኣንገሶ። 10 ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ነበረ፣ ክልተ ዓመት ድማ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ግና ንዳዊት ደገፈቶ።+ 11 እቲ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ዝነገሰሉ ዘመን፡* ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነበረ።+ 12 ኣብኔር ወዲ ኔርን ገላዉ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ከኣ፡ ካብ ማሓናዪም+ ናብ ጊብዖን+ ወጹ። 13 ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያን+ ገላዉ ዳዊትን እውን ወጺኦም ኣብ ሓጽቢ ጊብዖን ምሳታቶም ተጓነፉ፣ ሓደ ጕጅለ በዚ ሸነኽ እቲ ሓጽቢ፡ እቲ ሓደ ጕጅለ ድማ በቲ ሸነኽ እቲ ሓጽቢ ተቐመጡ። 14 ኣብኔር ከኣ ንዮኣብ፡ “እዞም ኣጕባዝ ይተንስኡ እሞ፡ ኣብ ቅድሜና ይቃለሱ”* በሎ። ዮኣብ ድማ፡ “ይተንስኡ” በለ። 15 ሽዑ፡ ተንሲኦም ብቝጽሪ እተወሰኑ፡ 12 ኻብ ብንያምን ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን፡ 12 ኸኣ ካብ ገላዉ ዳዊት ተሳገሩ። 16 ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ብጻዩ ኣጽኒዑ ሒዙ፡ ሰይፉ ኣብ ጐድኒ መቐናቕንቱ ሸኸተ፣ ኵላቶም ድማ ብሓደ ወደቑ። ስለዚ፡ እታ ኣብ ጊብዖን ዘላ ቦታ፡ ሔልቃት-ሃጹሪም ተባህለት። 17 እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝሰዓበ ውግእ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ፣ ኣብኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ። 18 ኣብኡ ድማ ሰለስተ ደቂ ጽሩያ፡+—ዮኣብን+ ኣቢሻይን+ ዓሳሄልን፡+—ነበሩ፣ ዓሳሄል ከኣ ከምታ ኣብ መሮር ዘላ ሰስሓ ፈጣን ነበረ። 19 ዓሳሄል ድማ ደድሕሪ ኣብኔር ሰዓበ፣ ደድሕሪ ኣብኔር ካብ ምስዓብ ከኣ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን። 20 ኣብኔር ድማ ግልጽ ኢሉ፡ “ዓሳሄል፡ ንስኻ ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ፡ ኣነ እየ” በሎ። 21 ኣብኔር ድማ፡ “ናብ የማንካ ወይ ናብ ጸጋምካ ኣላጊስካ፡ ንሓደ ኻብ ኣጕባዝ ሓዝ እሞ፡ ክትገፍፎ እትኽእል ዘበለ ንዓኻ ውሰድ” በሎ። ዓሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ኬላግስ ኣይደለየን። 22 ኣብኔር ከኣ ከም ብሓድሽ ንዓሳሄል፡ “ኣይትስዓበኒ። ስለምንታይ ዝቐትለካ፧ ድሕሪኡኸ፡ ከመይ ገይረ ገጽ ሓውካ ዮኣብ ክርኢ እኽእል፧” በሎ። 23 ንሱ ግና ምልጋስ ኣበየ። ኣብኔር ከኣ ብዳሕረዋይ ጫፍ ኲናቱ ኸብዱ ወግኦ፣+ እቲ ዂናት ድማ ብድሕሪኡ ወጸ፣ ኣብኣ ወዲቑ ኸኣ ሞተ። ናብታ ዓሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመጸ ዘበለ፡ ኣብኣ ደው ኢሉ ይጸንሕ ነበረ። 24 ዮኣብን ኣቢሻይን ድማ ንኣብኔር ሰጐጕዎ። ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፡ ናብታ ኣብ መንጽር ጊያሕ ኣብ መገዲ በረኻ ጊብዖን ዘላ ዅርባ ኣማ መጹ። 25 ኣብኡ ኸኣ እቶም ደቂ ብንያም ብድሕሪ ኣብኔር ተኣከቡ፣ ሓደ ጭፍራ ዀይኖም ድማ፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዅርባ ኣትከሉ። 26 ኣብኔር ድማ ንዮኣብ ጸዊዑ፡ “ሰይፊዶ ብዘይ መወዳእታ ኺውሕጥ እዩ፧ ሳዕቤኑ ምረት ጥራይ ከም ዚኸውንከ ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ነቶም ህዝቢ ኻብ ምስዓብ ኣሕዋቶም ኪምለሱኸ ኽሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትእዝዝ፧” በሎ። 27 ዮኣብ ከኣ፡ “ከምቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ህያው ዝዀነ፡ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብሲ፡ እዚ ህዝቢ ኻብ ምስዓብ ኣሕዋቱ ኽሳዕ ንግሆ ኣይምተመልሰን” በለ። 28 ሽዑ፡ ዮኣብ መለኸት ነፍሐ፣ እቶም ሰቡ ድማ ንእስራኤል ምስጓጕ ሓደግዎ፣ እቲ ውግእ እውን ኣቋረጸ። 29 ኣብኔርን ሰቡን ከኣ ምልእቲ እታ ለይቲ እቲኣ ብዓራባ ኸይዶም፡+ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፡ ብዅሉ እቲ ስንጭሮ* ኸይዶም ድማ ናብ ማሓናዪም መጹ።+ 30 ዮኣብ ከኣ ንኣብኔር ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ፡ ንዅሉ ህዝቢ ኣከቦ። ካብ ገላዉ ዳዊት ድማ፡ ብዘይካ ዓሳሄል፡ 19 ሰባት ጐዲሎም ነበሩ። 31 እቶም ገላዉ ዳዊት ግና፡ ንብንያማውያንን ንሰብ ኣብኔርን ሰዓርዎም፣ 360 ካብቶም ሰቦም ከኣ ሞቱ። 32 ንዓሳሄል+ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ቤት-ልሄም+ ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ዮኣብን እቶም ሰቡን ከኣ፡ ምሉእ ለይቲ ኸይዶም፡ ምስ ወግሐ ኣብ ኬብሮን+ በጽሑ። 4 ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል፡*+ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡+ ጃጀወ፡* ኵሎም እስራኤላውያን እውን ተረበሹ። 2 ንወዲ ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘመትቲ ጭፍራታት ኣሕሉቕ ዝዀኑ እቲ ሓደ ባዓና፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ ዝስሞም ክልተ ሰባት ነበርዎ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ካብ ነገድ ብንያም እዮም። (ብኤሮትሲ+ ኸም ክፍሊ ብንያም እያ እትቝጸር ነይራ። 3 እቶም ብኤሮታውያን ድማ ናብ ጊታዪም+ ሃዲሞም፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብኡ ጓኖት ኰይኖም ኣለዉ።) 4 ዮናታን+ ወዲ ሳኦል ከኣ ኣእጋሩ ዝሰንከለ* ወዲ ነበሮ።+ ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል+ ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ኣልዒላቶ ሃደመት፣ ብስምባድ ክትሃድም ከላ ግና፡ ወደቐ እሞ ስንኩል ኰነ። ስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።+ 5 ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ሬካብን ባዓናን ድማ፡ መዓልቲ ምስ ደሃረ፡ ኢሽ-ቦሸት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ። 6 ስርናይ ዚወስዱ መሲሎም ናብ ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ፣ ሽዑ፡ ሬካብን ሓዉ ባዓናን+ ኣምለጡ። 7 ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ መደቀሲ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወቒዖም ቀተልዎ፡ ርእሱ እውን ቈረጽዎ። ርእሱ ወሲዶም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ብመገዲ ዓራባ ኸዱ። 8 ርእሲ ኢሽ-ቦሸት+ ከኣ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን ኣምጺኦም፡ ንንጉስ፡ “ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ወዲ እቲ ንህይወትካ* ዚደልያ ዝነበረ+ ሳኦል ጸላኢኻ፡+ እንሀ። የሆዋ ግና በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታይ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ሳኦልን ዘርኡን ሕነ ፈድዩሉ” በልዎ። 9 ዳዊት ግና ንሬካብን ንሓዉ ባዓናን፡ ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ እቲ ኻብ ኵሉ ጭንቂ ዘናገፈኒ* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ 10 ሓደ ዘበሰረ መሲልዎ፡ ‘እንሆ፡ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ምስ ነገረኒ፡+ ሒዘ ኣብ ጺቅላግ ቀተልክዎ።+ ካባይ እተቐበሎ ዓስቢ ልኡኽ እዚ እዩ ነይሩ! 11 እኩያት ሰባት ንጻድቕ ሰብ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ምስ ዚቐትልዎ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይግብኦም! ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮን፧+ ካብ ምድሪኸ ኣየጥፍኣኩምንዶ፧” 12 ዳዊት ድማ ንኣጕባዙ ኪቐትልዎም ኣዘዞም።+ ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ቈሪጾም፡ ኣብ ጥቓ ሓጽቢ ኬብሮን ሰቐልዎም።+ ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ድማ ወሲዶም፡ ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ። 16 ዳዊት ድማ ካብቲ ርእሲ እቲ ኸረን ቍሩብ ምስ ሓለፈ፡+ ጺባ+ ጊልያ መፊቦሸት+ 200 እንጌራን 100 ጎጎ ዘቢብን 100 ጎጎ ፍረ ሓጋይን* ሓደ ገንኢ ወይንን እተጻዕና ኽልተ ኣድጊ ሒዙ ኪቕበሎ ኣብኡ ነበረ።+ 2 ንጉስ ከኣ ንጺባ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ዘምጻእካዮ፧” በሎ። ጺባ ድማ፡ “እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ኪውጥሕወን፡ እዚ እንጌራን ፍረ ሓጋይን ከኣ እቶም ኣጕባዝ ኪበልዕዎ፡ እዚ ወይኒ ድማ እቶም ኣብ በረኻ ዚደኽሙ ኺሰትይዎ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰ።+ 3 ንጉስ ከኣ፡ “ወዲ* ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” በለ።+ ጺባ ድማ፡ “‘ሎሚ ቤት እስራኤል መንግስቲ ኣቦይ ኪመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+ 4 ንጉስ ከኣ ንጺባ፡ “እንሆ፡ ኵሉ እቲ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ንዓኻ እዩ” በሎ።+ ጺባ ድማ፡ “ኣብ ቅድሜኻ እሰግድ ኣለኹ። ጐይታይ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ደኣ ሞገስ እርከብ” ኢሉ መለሰ።+ 5 ንጉስ ዳዊት ከኣ ናብ ባሑሪም ምስ በጽሐ፡ ካብ ዓሌት ቤት ሳኦል ዝዀነ ሺምዒ+ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ጌራ፡ መጸ እሞ፡ እናተራገመ ቐረበ።+ 6 ንዳዊትን ንዅሎም ገላዉ ንጉስ ዳዊትን ንዅሎም እቶም ብየማነ ጸጋሙ ዝነበሩ ህዝብን ጀጋኑን ድማ ኣእማን ይድርብየሎም ነበረ። 7 ሺምዒ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ረገመ፦ “ኣታ ዕዳ ደም ዘሎካ ሰብ፡ ኣታ ዘይትጠቅም ሰብ፡ ውጻእ፡ ውጻእ! 8 የሆዋ ንዕዳ ደም ቤት እቲ ኣብ ክንዳኡ ዝነገስካ ሳኦል ኣብ ልዕሌኻ መሊሱልካ ኣሎ፣ የሆዋ ድማ ነቲ ንግስና ኣብ ኢድ ኣቤሴሎም ወድኻ ሂብዎ። ንስኻ ዕዳ ደም ዘሎካ ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ መዓት ኣርኪቡካ!”+ 9 ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ+ ኸኣ ንንጉስ፡ “ስለምንታይ እዩ እዚ ምዉት ከልቢ+ እዚ ንጐይታይ ንጉስ ዚረግሞ፧+ በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ” በሎ።+ 10 ንጉስ ግና፡ “ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳኻትኩም እንታይ ኣሎኒ፧+ የሆዋ፡ ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢልዎ እዩ እሞ፡+ ይርገመኒ።+ መንከ እዩ፡ ‘ስለምንታይ እዚ ትገብር ኣለኻ፧’ ዚብሎ፧” በለ። 11 ዳዊት ድማ ንኣቢሻይን ንዅሎም ገላዉኡን፡ “እንሆ፡ እቲ ኻብ ከርሰይ ዝወጸ ወደይ እኳ ንህይወተይ* ይደልያ ኣሎ፣+ ሓደ ብንያማዊ+ ግዳ ሕጂ ኽንደይ ዝገደደ ዘይገብር! የሆዋ ኸምኡ ኺገብር ኢልዎ እዩ እሞ፡ ይርገም ሕደግዎ! 12 ምናልባት የሆዋ መከራይ ይርኢ ይኸውን፣+ የሆዋ ኸኣ ኣብ ክንዲ እዚ ሎሚ ዝርገሞ ዘለኹ ጽቡቕ ይመልሰለይ ይኸውን” በሎም።+ 13 ዳዊትን ሰቡን ከኣ በታ መገዲ ይኸዱ ነበሩ፣ ሺምዒ ድማ ብጎቦ እቲ ኸረን ጐድኒ ጐድኑ እናኸደ፡ ይረግሞን+ ኣእማን ይድርብየሉን ብዙሕ ሓመድ ይብትነሉን ነበረ። 14 ንጉስን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ናብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ደኺሞም በጽሑ፣ ኣብኡ ኸኣ ዓረፉ። 15 ኣቤሴሎምን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ እስራኤልን ናብ የሩሳሌም ኣተዉ፣ ኣሒቶፌል+ ድማ ምስኡ ነበረ። 16 ሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ፡+ ፈታው* ዳዊት፡ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ፡ ሑሻይ ንኣቤሴሎም፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!+ ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሎ። 17 ኣቤሴሎም ድማ ንሑሻይ፡ “ንፈታዊኻ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርስ እዚ ድዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ፧” በሎ። 18 ሑሻይ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ “ኣይፋለይን፡ ኣነስ ኣብ ጐድኒ እቲ የሆዋን እዚ ህዝቢ እዝን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዝሓረይዎ እየ። ምስኡ ኸኣ እነብር። 19 ድማኸ ንመን እየ ኸገልግል፧ ንወዱ ደይኰነን፧ ከምቲ ንኣቦኻ ዘገልገልክዎ፡ ንዓኻ እውን ከገልግለካ እየ” በሎ።+ 20 ኣቤሴሎም ከኣ ንኣሒቶፌል፡ “ምኽሪ ሃቡና።+ እንታይ ንግበር፧” በሎ። 21 ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም፡ “ናብተን ቤት* ኪሕልዋ ዝሓደገን+ ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ እቶ።+ ኵሉ እስራኤል ከኣ ኣብ ኣቦኻ ሕማቕ ጨና ኸም ዝዀንካ ኺሰምዕ እዩ፣ እቶም ዚድግፉኻ ድማ ኪበራትዑ እዮም” በሎ። 22 ንኣቤሴሎም ከኣ ኣብ ናሕሲ ድንኳን ተኸሉሉ፣+ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል፡+ ናብ ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ ኣተወ።+ 23 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣሒቶፌል ዚመኽሮ ዝነበረ ምኽሪ፡+ ከም ቃል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይቝጸር ነበረ።* ዳዊት ኰነ ኣቤሴሎም ንዅሉ ምኽሪ ኣሒቶፌል፡ ከምኡ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ። "6 ዳዊት ድማ ከም ብሓድሽ ንዅሎም ሕሩያት ሰራዊት እስራኤል፡ 30,000 ሰብኡት ኣከቦም።" 2 ዳዊት ምስ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ስም እቲ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት+ ኣብ ቅድሚኡ ዚጽውዑሉ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብኡ ኼደይብ+ ናብ በዓለ-ይሁዳ ኸደ። 3 ግናኸ፡ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብታ ኣብ ኵርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ ኬግዕዝዎ፡+ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንበርዎ።+ ዑዛን ኣሕዮን፡ ደቂ ኣቢናዳብ ድማ፡ ነቲ ሓድሽ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ። 4 ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ካብታ ኣብ ኵርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ ኣግዓዝዎ፣ ኣሕዮ ድማ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ። 5 ዳዊትን ኵሎም ቤት እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዅሉ ዓይነት ናውቲ ዕንጨይቲ ጽሕድን* ብመሰንቆን* ብበገናን+ ብኸበሮን+ ብጸናጽልን ብጸናጽል ሸሓንን+ ይጻወቱ ነበሩ። 6 ናብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ከብቲ ነቲ ታቦት ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪግልብጥዎ ስለ ዝበሉ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ።+ 7 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ዑዛ ነደደ፣ ስለ ድፍረቱ ኸኣ፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ወቕዖ+ እሞ ኣብ ጥቓ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሞተ። 8 ዳዊት ድማ፡ ቍጥዓ የሆዋ ፈንጢሱ ኣብ ዑዛ ስለ እተኻዕወ፡ ጐሃየ፣ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጴረጽ-ዑዛ* ትብሃል ኣላ። 9 ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሆዋ ፈርሆ እሞ፡+ “ታቦት የሆዋ ኸመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ ይኽእል፧” በለ።+ 10 ዳዊት ከኣ ንታቦት የሆዋ ናብታ ዝነበራ ኸተማ ዳዊት ኬምጽኦ ኣይደለየን።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ዳዊት ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም+ እቲ ጊታዊ ኸም ዚውሰድ ገበረ። 11 ታቦት የሆዋ ድማ ኣብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም እቲ ጊታዊ ሰለስተ ወርሒ ጸንሐ፣ የሆዋ ኸኣ ንዖቤድ-ኤዶምን ንዅሎም ቤተ ሰቡን ባረኾም።+ 12 ንንጉስ ዳዊት ድማ፡ “የሆዋ ብምኽንያት ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ንቤት ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባሪኹሉ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። ሽዑ፡ ዳዊት ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ናብ ከተማ ዳዊት ብሓጐስ ኬደይቦ ኸደ።+ 13 እቶም ጸወርቲ+ ታቦት የሆዋ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ሓደ ስቡሕ እንስሳን ሰውአ። 14 ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዅሉ ሓይሉ እናዞረ ይስዕስዕ ነበረ፣ ሽዑ፡ ዳዊት፡ ኤፎድ በፍታ ተዓጢቑ ነበረ።+ 15 ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ድማ ንታቦት+ የሆዋ ብእልልታን+ ብደሃይ መለኸትን+ ኣደየብዎ። 16 ታቦት የሆዋ ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ ግና፡ ሚካል ጓል ሳኦል+ ብመስኰት ኣንቈልቊላ ጠመተት እሞ፡ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪሰራሰርን እናዞረ ኺስዕስዕን ርእያ፡ ብልባ ነዓቐቶ።+ 17 ንታቦት የሆዋ ድማ ኣምጺኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ።+ ዳዊት ከኣ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕብረትን+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረበ።+ 18 ዳዊት ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት መረቖ። 19 ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ከኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ዓንኬላዊ ቕጫን ሓደ ጎጎ ተምርን ሓደ ጎጎ ዘቢብን መቐሎም፣ ድሕሪኡ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ኸደ። 20 ዳዊት ንቤተ ሰቡ ኺምርቕ ምስ ተመልሰ፡ ሚካል+ ጓል ሳኦል ክትቅበሎ ወጸት እሞ፡ “ከምቲ ኸንቱ ዝዀነ ሰብ ዚቕላዕ፡ ንጉስ እስራኤል ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እተን ግዙኣት ገላዉኡ ብምቕላዑስ ክንደይ ኰን ከበረ!” በለት።+ 21 ሽዑ፡ ዳዊት ንሚካል፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣቦኽን ንዅሎም ቤተ ሰቡን ዘይኰነስ ንዓይ ዝሓረየንን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ዝዀነ እስራኤል መራሒ ክኸውን ዝሸመንን የሆዋ እየ ተጻዊተ።+ እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽጻወት እየ፣ 22 ገና ኻብዚ ዝገደደ ክቐልል እየ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እውን ክትሕት እየ። ኣብተን ዝበልክየን ግዙኣት ግና ክኸብር እየ” በለ። 23 ሚካል+ ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ መዓልቲ ሞታ፡ ውሉድ ኣይነበራን። 10 ድሕርዚ፡ ንጉስ ዓሞናውያን+ ሞተ፣ ወዱ ሓኑን ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።+ 2 ዳዊት ድማ፡ “ከምቲ ኣቦኡ ንዓይ ብተኣማንነት ዘፍቀረኒ፡ ኣነ ኸኣ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ብተኣማንነት ከፍቅሮ እየ” በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኼጸናንዖ ኢሉ ገላዉኡ ለኣኸ። እቶም ገላዉ ዳዊት ናብ ምድሪ ዓሞናውያን ምስ መጹ ግና፡ 3 መሳፍንቲ ዓሞናውያን ንጐይታኦም ሓኑን፡ “ዳዊት ንኣቦኻ ኣኺቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ፧ ዳዊትሲ ነዛ ኸተማ ኺምርምራን ኪስልያን ኪግልብጣን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ፧” በልዎ። 4 ሓኑን ድማ ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፍርቂ ጭሕሞም ላጽዩ፡+ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከኣ ክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም። 5 እዚ ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ተዋሪዶም ነበሩ እሞ፡ ኪቕበልዎም ሰባት ሰደደሎም፣ ንጉስ ድማ፡ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቍል ኣብ ያሪኮ+ ጸኒሕኩም ተመለሱ” በሎም። "6 ዓሞናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ሕማቕ ጨና ኸም ዝዀኑ ረኣዩ፣ ዓሞናውያን ድማ ልኢኾም ካብ ናይ ቤት-ሬሖብ ሶርያውያንን+ ካብ ናይ ጾባ ሶርያውያንን+ 20,000 ኣጋር ተዋጋእቲ፡ ንንጉስ ማዓካ+ ኸኣ ምስ 1,000 ሰብኡት፡ ካብ ኢሽጦብ* ድማ 12,000 ሰብኡት ተኻረዩ።+" 7 ዳዊት ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንዮኣብን ንብዘሎ እቲ ሰራዊትን፡ እንተላይ ነቶም ጀጋኑኡ ሰደዶም።+ 8 ዓሞናውያን ድማ ወጺኦም ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ፣ እቶም ናይ ጾባን ሬሖብን ሶርያውያን ከኣ፡ ምስ ኢሽጦብን ማዓካን ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 9 ዮኣብ ድማ ኣብቲ ውግእ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ኪጥቃዕ ከም ዚኽእል ምስ ረኣየ፡ ገለ ኻብቶም ሕሩያት እስራኤል ሓርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።+ 10 ነቶም ዝተረፉ ሰባት ከኣ ንዓሞናውያን+ ኪቀባበሉ ምእንቲ ኺስለፉ፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ* ሓዉ ኣቢሻይ+ ገበሮም። 11 ከምዚ ኸኣ በሎ፦ “ሶርያውያን ካባይ እንተ በርቲዖም፡ ንስኻ ኣናግፈኒ፣ ዓሞናውያን ካባኻ እንተ በርቲዖም ግና፡ ኣነ መጺአ ኸናግፈካ እየ። 12 ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ንበርትዕን ንትባዕን፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ ኺገብር እዩ።”+ 13 ዮኣብን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፣ ንሳቶም ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ።+ 14 ዓሞናውያን ከኣ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ቅድሚ ኣቢሻይ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ድሕርዚ፡ ዮኣብ ካብ ዓሞናውያን ተመሊሱ ናብ የሩሳሌም መጸ። 15 ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ዳግም ተኣከቡ።+ 16 ሃዳድዔዘር+ ከኣ ናብቶም ኣብ ዞባ እቲ ፈለግ*+ ዘለዉ ሶርያውያን ለኣኸ፣ ንሳቶም ድማ ብሾባኽ ሓለቓ ሰራዊት ሃዳድዔዘር እናተመርሑ ናብ ሔላም መጹ። 17 እዚ ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ ብኡብኡ ንዅሎም እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ ሔላም መጸ። ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ኪቀባበልዎ ተሰለፉ፡ ምስኡ እውን ተዋግኡ።+ "18 ግናኸ፡ ሶርያውያን ካብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ፣ ዳዊት ድማ ካብ ሶርያውያን 700 ሰብ ሰረገላን 40,000 ፈረሰኛታትን ቀተለ፣ ንሾባኽ እቲ ሓለቓ ሰራዊቶም ከኣ ወቕዖ እሞ፡ ኣብኡ ሞተ።+" 19 እቶም ገላዉ ሃዳድዔዘር ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ብቕልጡፍ ምስ እስራኤል ሰላም ገይሮም ተገዛእቶም ኰኑ።+ ሶርያውያን ድማ ድሕሪ ደጊም ንዓሞናውያን ምርዳእ ፈርሁ። 14 ዮኣብ ወዲ ጽሩያ+ ኸኣ ልቢ ንጉስ ንኣቤሴሎም ሃረር ከም ዝበለ ፈለጠ።+ 2 ዮኣብ ድማ ናብ ተቆዓ+ ልኢኹ፡ ካብኣ ብልሂ ሰበይቲ ጸውዐ እሞ፡ “በጃኺ፡ ኣብ ሓዘን ከም ዘለኺ ምሰሊ፡ ክዳውንቲ ሓዘን ከኣ ተኸደኒ፡ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ።+ ብምዉት ንነዊሕ እዋን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲ ኹኒ። 3 ናብ ንጉስ ኬድኪ ኸኣ፡ ከምዚ ኢልኪ ተዛረብዮ” ኢሉ ዮኣብ ነቲ ዘረባ ኣብ ኣፋ ኣንበሮ።* 4 እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደት እሞ፡ “ኦ ንጉስ፡ ርድኣኒ!” በለት። 5 ንጉስ ከኣ፡ “እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧” በላ። ንሳ ድማ ከምዚ በለት፦ “ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት እየ። 6 ገረድካ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ነይሮምኒ፣ ክልቲኦም ከኣ ዚፈላልዮም ኣብ ዘይብሉ መሮር ተባኢሶምሲ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ቐቲልዎ። 7 ሕጂ ኸኣ ብዘለዉ ዓሌት ኣንጻረይ፡ ኣንጻር ገረድካ፡ ተንሲኦም፡ ‘ነቲ ንሓዉ ዝቐተለ፡ ምእንቲ እታ ዝቐተላ ህይወት* ሓዉ ኽንቀትሎስ፡ ዋላ እውን ወራሲ ይጥፋእ፡ ኣሕሊፍኪ ሃብና’ ይብሉ ኣለዉ።+ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ ቝልዒ ሓዊ* ኼጥፍኡ፡ ንሰብኣየይ እውን ኣብ ገጽ ምድሪ ስም ኰነ ሓድጊ ኣይኪሓድጉሉን እዮም።” 8 ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “ናብ ቤትኪ ኺዲ፡ ኣነ ኸኣ ብዛዕባኺ ትእዛዝ ከውጽእ እየ” በላ። 9 እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ንንጉስ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፣ ንጉስ ምስ ዝፋኑ ኸኣ ንጹህ ይኹን” በለቶ። 10 ንጉስ ድማ፡ “ብሕጂ ሓደ እኳ እንተ ተዛሪቡኪ፡ ናባይ ኣምጽእዮ፡ መሊሱ ኸኣ ኣይኬሸግረክን እዩ” በላ። 11 ንሳ ግና፡ “በጃኻ፡ እቲ ፈዳይ ደም+ ከየጥፍእ፡ ንወደይ እውን ከይቀትሎሲ፡ ንጉስ ንየሆዋ ኣምላኽካ ይዘክሮ” በለት። ንሱ ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ ካብ ጸጕሪ ወድኺ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ” በላ። 12 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ትዛረቦ” በለት። ንሱ ድማ፡ “ተዛረቢ” በላ። 13 እታ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ስለምንታይ ደኣ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ኽትገብር ሓሲብካ፧+ ንጉስ ነቲ እተሰጕጐ ወዱ ኣይመለሶን እሞ፡ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ንገዛእ ርእሱ እዩ በዳሊ ዚገብር ዘሎ።+ 14 ብርግጽ ክንመውት፡ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ድማ ክንከውን ኢና። ኣምላኽ ግና ህይወት* ኣየጥፍእን እዩ፣ የግዳስ፡ እቲ እተሰጕጐ ንሓዋሩ ኻብኡ ዘይስጐጐሉ ምኽንያታት ደኣ እዩ ዚሓስብ። 15 ህዝቢ ስለ ዘፍርሃኒ እየ ንጐይታይ ንጉስ እዚ ኽብል ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ‘ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ። ምናልባት ንጉስ ዘረባ ግዝእቱ ይገብሮ ይኸውን። 16 ንጉስሲ ንግዝእቱ ይሰምዕ፡ ካብ ኢድ እቲ ንዓይን ነቲ ሓደ ወደይን ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ርስቲ ኼጥፍእ ዚደሊ ሰብኣይ እውን የናግፈኒ ይኸውን’ በለት።+ 17 ገረድካ ድማ፡ ‘ቃል ጐይታይ ንጉስ ደኣ የዕርፈኒ’ በለት። ጐይታይ ንጉስሲ ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ምፍላይ ከም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ ይኹን።” 18 ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “በጃኺ፡ ዝሓትተኪ ዘበለ ኣይትሕብእለይ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ጐይታይ ንጉስ ተዛረብ” በለት። 19 እቲ ንጉስ ድማ፡ “ኣብዚ ዅሉስ ኢድ ዮኣብ ኣሎ ድዩ፧” በላ።+ እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ንስኻ* ህያው ዝዀንካ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበልካዮ እዩ፣* እቲ ዝኣዘዘንን እዚ ዅሉ ዘረባ ኣብ ኣፍ ገረድካ ዘንበረን ጊልያኻ ዮኣብ እዩ። 20 ጊልያኻ ዮኣብ ንትርኢት እቲ ነገር ኪቕይሮ ኢሉ እዩ እዚ ገይሩ፣ ግናኸ፡ ጐይታይ ከም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝበለ ጥበብ ኣለዎ፡ ኣብ ምድሪ ዚኸውን ዘሎ ዅሉ እውን ይፈልጥ እዩ” በለት። 21 ንጉስ ድማ ንዮኣብ፡ “ሕራይ፡ እዚ ኽገብር እየ።+ ኬድካ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም ምለሶ” በሎ።+ 22 ሽዑ፡ ዮኣብ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ እሞ፡ ንንጉስ ወደሶ። ዮኣብ ከኣ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ንጉስ ከም ዘረባ ጊልያኡ ስለ ዝገበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ሎሚ ጊልያኻ ፈሊጡ” በሎ። 23 ዮኣብ ድማ ተንሲኡ ናብ ጌሹር ከደ እሞ፡+ ንኣቤሴሎም ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። 24 ግናኸ፡ ንጉስ፡ “ናብ ቤቱ ይኺድ እምበር፡ ገጸይ ኣይርአ” በለ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ቤቱ ተመልሰ፡ ገጽ ንጉስ እውን ኣይረኣየን። 25 ኣብ ኵሉ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብጽባቐ ትርኢቱ ኣዝዩ እተወደሰ ሰብ ኣይነበረን። ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳብ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን። 26 ጸጕሪ ርእሱ ይኸብዶ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መመወዳእታ ዓመት ይቘርጾ ነበረ እሞ፡ ምስ ቈረጾ፡ ጸጕሪ ርእሱ በቲ ንመምዘኒ ዚኸውን እምኒ ንጉስ* 200 ሲቃል* ተመዝነ። 27 ንኣቤሴሎም ድማ ሰለስተ ኣወዳትን+ ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ። ንሳ ኸኣ ኣዝያ መልክዐኛ ሰበይቲ ነበረት። 28 ኣቤሴሎም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፣ ገጽ ንጉስ ግና ኣይረኣየን።+ 29 ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ ኪሰድዶ ኢሉ ንዮኣብ ጸውዖ፣ ዮኣብ ግና ናብኡ ኣይመጸን። መሊሱ ኸኣ ካልኣይ ሳዕ ለኣኸሉ፣ ንሱ ግና ምምጻእ ኣበየ። 30 ሽዑ፡ ንገላዉኡ፡ “ግራት ዮኣብ ኣብ ጥቓ እታ ናተይ ኣላ፣ ኣብኣ ድማ ስገም ኣለዎ። ኬድኩም ብሓዊ ኣባርዕዎ” በሎም። እቶም ገላዉ ኣቤሴሎም ከኣ ነታ ግራት ብሓዊ ኣባርዕዋ። 31 ሽዑ፡ ዮኣብ ተንሲኡ ናብ ቤት ኣቤሴሎም መጸ እሞ፡ “ገላዉኻ ንግራተይ ብሓዊ ዘባርዕዋ ስለምንታይ እዮም፧” በሎ። 32 ኣቤሴሎም ድማ ንዮኣብ፡ “እንሆ፡ ‘ንዓ ናብ ንጉስ ክሰድደካ እሞ፡ “ስለምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መጺአ፧+ ኣብኡ ምጽናሕ ምሓሸኒ ነይሩ። ሕጂ፡ ገጽ ንጉስ ክርኢ ይፈቐደለይ፣ ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ኸኣ፡ ንሱ ይቕተለኒ” ኽትብለለይ’ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ” ኢሉ መለሰሉ። 33 ዮኣብ ከኣ ናብ ንጉስ ኣትዩ ነገሮ። ንሱ ድማ ንኣቤሴሎም ጸውዖ፣ ንሱ ኸኣ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሉ። ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ።+ 9 ዳዊት ድማ፡ “ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ብተኣማንነት ከፍቅሮ ዝኽእል ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ፧” በለ።+ 2 ጺባ ዝስሙ ጊልያ ቤት ሳኦል ከኣ ነበረ።+ ንዕኡ ድማ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ፣ ንጉስ ከኣ፡ “ንስኻ ዲኻ ጺባ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ጊልያኻ እየ” ኢሉ መለሰ። 3 ንጉስ ከኣ፡ “ከምቲ ኣምላኽ ዚገብሮ ብተኣማንነት ከፍቅሮስ፡ ካብ ቤት ሳኦል ገለ ሓድጊዶ የልቦን፧” በለ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ፣ ንሱ ኣእጋሩ ሰንኪሉ* እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 4 ንጉስ ከኣ፡ “ንሱኸ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ንሱ ኣብ ቤት ማኪር+ ወዲ ዓሚኤል፡ ኣብ ሎ-ድባር ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። 5 ብኡብኡ፡ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ፡ ንዕኡ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎ-ድባር ወሰዶ። 6 መፊቦሸት ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ብገጹ ተደፊኡ ሰገደ። ዳዊት ከኣ፡ “መፊቦሸት” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ ጊልያኻ” ኢሉ መለሰ። 7 ዳዊት ከኣ፡ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ብርግጽ ብተኣማንነት ከፍቅረካ እየ እሞ፡+ ኣይትፍራህ፣ ኵሉ ግራውቲ ኣቦሓጎኻ ሳኦል ክመልሰልካ እየ፣ ንስኻ እውን ወትሩ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ” በሎ።+ 8 ሽዑ፡ ንሱ ሰጊዱ፡ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ+ ቘላሕታኻ* እትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እዩ፧” በለ። 9 ንጉስ ከኣ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ልኢኹ ጸዊዑ፡ “ኵሉ እቲ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ፡ ንወዲ ወዱ ንጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ።+ 10 ነቶም ናይ ወዲ ወዱ ንጐይታኻ ዘበሉ ዚበልዕዎ ምግቢ ኪኸውንሲ፡ ንስኻን ደቅኻን ገላዉኻን ነቲ መሬት ሓሪስኩም፡ ፍሪኡ ኣክቡ። መፊቦሸት ወዲ ወዱ ንጐይታኻ ግና፡ ወትሩ ኣብ መኣደይ ኪበልዕ እዩ” በሎ።+ ጺባ ኸኣ 15 ኣወዳትን 20 ገላዉን ነበርዎ።+ 11 ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ከም ኵሉ እቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝኣዘዞ፡ ጊልያኡ ኸምኡ ኺገብር እዩ” በሎ። መፊቦሸት ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ መኣዲ ዳዊት* በልዐ። 12 መፊቦሸት ድማ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ።+ ኵሎም እቶም ኣብ ቤት ጺባ ዚነብሩ ዝነበሩ ኸኣ፡ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ። 13 መፊቦሸት ድማ ወትሩ ኣብ መኣዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፣+ ክልቲኡ እግሩ ኸኣ ስንኩል ነበረ።+ 13 ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፡ ታማር+ ዝስማ መልክዐኛ ሓብቲ ነበረቶ፣ ኣምኖን+ ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ። 2 ንሳ ድማ ድንግል ነበረት፡ ንኣምኖን ከኣ ገለ ኺገብራ ዘይክእል ኰይኑ ተራእይዎ ነበረ እሞ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሓምም ተጨነቐ። 3 ኣምኖን ድማ ዮናዳብ+ ዝስሙ፡ ወዲ ሺምዓ+ ሓው ዳዊት፡ ፈታዊ ነበሮ፣ ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ። 4 ንሱ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ንጉስ፡ ኣብ ጸጽባሕ እትጭነቕ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧ ስለምንታይከ ዘይትነግረኒ፧” በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ “ምስ ታማር፡ ሓብቲ+ ሓወይ ኣቤሴሎም ፍቕሪ ሒዙኒ” ኢሉ መለሰሉ። 5 ዮናዳብ ድማ፡ “ከም ዝሓመምካ መሲልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ። ኣቦኻ ኺርእየካ ምስ መጸ ድማ፡ ‘በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ መጺኣ እንጌራ ተቕርበለይ። ንሕሙም ዚውሃብ እንጌራ* ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እንተ ኣዳልያቶ፡ ካብ ኢዳ ኽበልዖ እየ’ በሎ” ኢሉ መለሰሉ። 6 ኣምኖን ድማ ከም ዝሓመመ መሲሉ ደቀሰ፣ ንጉስ ከኣ ንኣምኖን ኪርእዮ መጸ። ኣምኖን ድማ ንንጉስ፡ “በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ትምጻእ እሞ፡ ካብ ኢዳ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ልቢ ዝቕርጹ ኽልተ ቕጫ ትሰንክተለይ” በሎ። 7 ሽዑ፡ ዳዊት ናብ ታማር ናብ ቤት ልኢኹ፡ “በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኼድኪ፡ እንጌራ* ኣዳልውሉ” በላ። 8 ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፣ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቝ ወሲዳ ለወሰቶ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕጫታት ገይራ ድማ፡ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ። 9 ነቲ መቕሎ ወሲዳ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ። ኣምኖን ግና ምብላዕ ኣበየ፡ “ንዅሉ ሰብ ኣውጽኡለይ” ድማ በለ። ኵሉ ሰብ ከኣ ወጸሉ። 10 ኣምኖን ድማ ንታማር፡ “ካብ ኢድኪ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ነቲ እንጌራ* ናብ መደቀሲ ኣምጽእዮ” በላ። ታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ልቢ ዝቕርጹ ቕጫታት ወሲዳ፡ ናብ ኣምኖን ሓዋ ናብ መደቀሲ ኣምጽኣቶ። 11 ኪበልዕ ምስ ኣቕረበትሉ፡ ኣጽኒዑ ሒዙ፡ “ሓብተየ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ። 12 ንሳ ግና፡ “ኣይፋልካን ሓወየ፡ ኣይተዋርደኒ፣ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ።+ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበር።+ 13 ነዚ ነውሪ ሒዘኸ ኸመይ ኢለ ኽነብር እኽእል፧ ንስኻ እውን ከም ሓደ ኻብቶም ውርደተኛታት እስራኤል ክትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንዓይ ኣይከልኣካን እዩ እሞ፡ ንዕኡ ተዛረቦ” በለቶ። 14 ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን፣ ካብኣ ሓዪሉ ድማ ዓሚጹ ኣዋረዳ። 15 ድሕርዚ፡ ኣምኖን ኣዝዩ ብርቱዕ ጽልኢ ጸልኣ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ፡ እቲ ዝጸልኣ ጽልኢ ዓበየ። ኣምኖን ድማ፡ “ተንስኢ፡ ኪዲ!” በላ። 16 ሽዑ፡ ንሳ፡ “ኣይፋልካን ሓወየ፣ ሕጂ ንዓይ ምስዳድካ፡ ካብቲ ዝገበርካኒ ዝገደደ እዩ” በለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወን። 17 ነቲ መንእሰይ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ “በጃኻ እስከ፡ ነዚኣ ኣውጽኣለይ እሞ፡ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኣ ዕጸዎ” በሎ። 18 (ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ፍሉይ* ክዳን ተኸዲና ነበረት፣ ከመይሲ፡ ደናግል ኣዋልድ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ኽዳውንቲ ይኽደና ነበራ።) ሽዑ፡ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽኣ፣ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪኣ ዓጸዎ። 19 ታማር ከኣ ሓምዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፣+ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ጽቡቕ ክዳን ድማ ቀደደቶ። ክትከይድ ከላ ኸኣ፡ ኣእዳዋ ኣብ ርእሳ ገይራ እናኣእወየት ከደት። 20 ሽዑ፡ ሓዋ ኣቤሴሎም፡+ “ምሳኺ ዝነበረስ ኣምኖን ሓውኪ ድዩ፧ ሕጂ ድማ ሓብተየ፡ ስቕ በሊ። ንሱ ሓውኪ እዩ።+ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሓዝዮ” በላ። ታማር ከኣ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተገሊላ ትነብር ነበረት። 21 ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ዅሉ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ።+ ወዱ ኣምኖን በዅሩ ብምንባሩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ ግና፡ ኬጕህዮ ኣይደለየን። 22 ኣቤሴሎም ድማ፡ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዘዋረዳ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡+ ኣቤሴሎም ንኣምኖን፡ ክፉእ ኰነ ወይ ጽቡቕ ኣይተዛረቦን።+ 23 ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ንኣቤሴሎም ኣብ በዓል-ሓጾር፡ ኣብ ጥቓ ኤፍሬም+ ቀምቀምቲ ኣባጊዕ ነበርዎ፣ ኣቤሴሎም ከኣ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ዓደሞም።+ 24 ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ “ጊልያኻ ኣባጊዑ የቐምቅም ኣሎ። በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምሳይ ይኺዱ” በለ። 25 ንጉስ ግና ንኣቤሴሎም፡ “ኣይፋልካን ወደየ። ኵላትና እንተ ኼድና፡ ጾር ክንኰነካ ኢና” በሎ። ግዲ እኳ እንተ በሎ፡ መረቖ እምበር፡ ኪኸይድሲ ሕራይ ኣይበሎን። 26 ሽዑ፡ ኣቤሴሎም፡ “እንተ ዘይኰነስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ” በሎ።+ ንጉስ ድማ፡ “ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ፧” በሎ። 27 ኣቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፣ ስለዚ፡ ንኣምኖንን ንዅሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ሰደዶም። 28 ኣቤሴሎም ከኣ ንገላዉኡ፡ “ርኣዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሓጐሰ፡ ኣነ፡ ‘ንኣምኖን ቅተልዎ!’ ኽብለኩም እየ። ሽዑ፡ ንስኻትኩም ቅተልዎ። ኣይትፍርሁ። ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘለኹ፧ በርትዑ፡ ትብዑ” በሎም። 29 ገላዉ ኣቤሴሎም ድማ ንኣምኖን፡ ከምቲ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ገበርዎ። ሽዑ፡ ኵሎም ደቂ ንጉስ ተንሲኦም፡ ነፍሲ ወከፎም በበቕሎም ተወጢሖም ሃደሙ። 30 ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊት፡ “ኣቤሴሎም ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲልዎም፣ ሓደ እኳ ዝተረፈ የልቦን” ዚብል ወረ መጾ። 31 ሽዑ፡ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳውንቱ ቐደደ፡ ኣብ ምድሪ ድማ በጥ በለ፣ ኵሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ጥቓኡ ደው በሉ። 32 ዮናዳብ+ ወዲ ሺምዓ+ ሓው ዳዊት ግና፡ ከምዚ በለ፦ “ኣምኖን ጥራይ እዩ ሞይቱ እሞ፡ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲሎምዎም ኢሉ ጐይታይ ኣይሕሰብ።+ እዝስ ብትእዛዝ እቲ በታ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ዘዋረዳ መዓልቲ+ ኸምዚ ኺገብር ዝወሰነ ኣቤሴሎም እዩ ተገይሩ።+ 33 ሕጂ ድማ ጐይታይ ንጉስ ነዚ፡ ‘ኵሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም’ ዚብል ወረ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፣ ኣምኖን ጥራይ እዩ ሞይቱ።” 34 ኣቤሴሎም ከኣ ሃደመ።+ እቲ ሓላዊ ድማ ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ካብታ ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ ኸረን ዘላ መገዲ ብዙሕ ህዝቢ ኺመጽእ ረኣየ። 35 ሽዑ፡ ዮናዳብ+ ንንጉስ፡ “ደቂ ንጉስ እነዉ ተመሊሶም። ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ እዩ” በሎ። 36 ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ደቂ ንጉስ መጺኦም ዓው ኢሎም በኸዩ፣ ንጉስን ኵሎም ገላዉኡን እውን ኣዝዩ መሪር ብኽያት በኸዩ። 37 ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ ናብ ታልማይ+ ወዲ ዓሚሁድ ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከኣ ንወዱ ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነሉ። 38 ኣቤሴሎም ድማ ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፣+ ኣብኣ ኸኣ ሰለስተ ዓመት ጸንሐ። 39 ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰ፡ ናብ ኣቤሴሎም ኪኸይድ ሃረር በለ። 5 ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡+ “እንሆ፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና።+ 2 ኣቐዲሙ፡ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል ኣብ ወፈራታቱ ትመርሖ* ኔርካ።+ የሆዋ ኸኣ ንዓኻ፡ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ እዩ” በልዎ።+ 3 ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መጹ። ንጉስ ዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ።+ ሽዑ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።+ 4 ዳዊት ኪነግስ ከሎ ወዲ 30 ዓመት ነበረ፣ 40 ዓመት ድማ ነገሰ።+ 5 ኣብ ኬብሮን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ 7 ዓመትን 6 ወርሕን ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም+ ኰይኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን 33 ዓመት ነገሰ። 6 ንጉስን ሰቡን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ይቡሳውያን ኪጻረሩ ኸዱ።+ ንሳቶም ከኣ ንዳዊት፡ “ናብዚ ኸቶ ኣይክትኣቱን ኢኻ! ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኺሰጕጉኻ እዮም” ኢሎም ኣባጨዉሉ። ‘ዳዊት ናብዚ ኸቶ ኣይኪኣቱን እዩ’ ኢሎም ሓሲቦም ነበሩ።+ 7 ዳዊት ግና ንዕርዲ ጽዮን፡ ንሳ ሕጂ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ።+ 8 ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ “እቶም ንይቡሳውያን ዜጥቅዑ፡ ነቶም ዳዊት ዚጸልኦም* ‘ሓንካሳትን ዕዉራትን’ ንምውቃዕ በቲ መትረብ ማይ ኣቢሎም ይኺዱ!” በለ። ስለዚ እዩ፡ “ዕዉራትን ሓንካሳትን ናብ ቤት ከቶ ኣይእተዉ” እተባህለ። 9 ዳዊት ድማ ኣብቲ ዕርዲ ተቐመጠ እሞ፡ ከተማ ዳዊት ተባህለት።* ዳዊት ድማ ካብቲ ዅምራ* ኣትሒዙ ብዙርያኣን ኣብ ውሽጣን ሃነጸ።+ 10 በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት እናዓበየ ኸደ፣+ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ከኣ ምስኡ ነበረ።+ 11 ሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኣዕጫው ቄድሮስን+ ጸረብትን ነደቕትን ሰደደሉ፣ ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት* ሃነጹሉ።+ 12 ዳዊት ድማ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ፡+ ነታ መንግስቱ እውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ+ ልዕል ከም ዘበላ ፈለጠ።+ 13 ዳዊት ከኣ ካብ ኬብሮን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ኣብ የሩሳሌም ተወሰኽቲ ኣንስቲ ወሰንን+ ኣንስትን ኣእተወ፣ ንዳዊት ድማ ተወሰኽቲ ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ።+ 14 ስማት እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ እዚ እዩ፦ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን+ ሰሎሞንን+ 15 ይብሓርን ኤሊሹዓን ነፈግን ያፊዓን 16 ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን። 17 ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከም እተቐብአ ምስ ሰምዑ፡+ ኵሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ።+ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ዕርዲ ወረደ።+ 18 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ስንጭሮ* ረፋይም ኣትዮም ፋሕ በሉ።+ 19 ዳዊት ድማ ንየሆዋ፡ “ኣንጻር ፍልስጥኤማውያንዶ ኽድይብ፧ ንዓታቶምከ ኣብ ኢደይዶ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት፡ “ንፍልስጥኤማውያን ብርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይብ” በሎ።+ 20 ዳዊት ድማ ናብ በዓል-ጰራጺም መጸ፣ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ወቕዖም። ሽዑ፡ “ከምቲ ማያት ዚፍንጥስ፡ የሆዋ ንጸላእተይ ፈንጠሶም” በለ።+ ስለዚ እያ እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም* እተሰምየት።+ 21 ፍልስጥኤማውያን ድማ ጣኦታቶም ኣብኡ ሓደጉ፣ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣልዓልዎም። 22 ፍልስጥኤማውያን ድማ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም+ ፋሕ በሉ። 23 ዳዊት ከኣ ንየሆዋ ሓተቶ፣ ንሱ ድማ፡ “ብቐጥታ ኣይትደይብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብድሕሪኦም ዙር እሞ፡ ብመንጽር እቲ ቘጥቋጣት ባኻ እተዎም። 24 ኣብ ርእሲ እቲ ቘጥቋጣት ባኻ ደሃይ ዚስጕሙ ምስ ሰማዕካ፡ የሆዋ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖም ቅድሜኻ ወጺኡ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ስጕምቲ ውሰድ” በሎ። 25 ዳዊት ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ ንፍልስጥኤማውያን+ ድማ ካብ ጌባዕ+ ክሳብ ጌዘር+ ወቕዖም። 21 ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ብተኸታታሊ ጥሜት ኰነ፣+ ዳዊት ከኣ ንየሆዋ ሓተቶ፣ የሆዋ ድማ፡ “ሳኦል ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም፡ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ዕዳ ደም ኣሎ” በለ።+ 2 ንጉስ ከኣ ንጊብዖናውያን+ ጸዊዑ ተዛረቦም። (ጊብዖናውያን ግና ዝተረፉ ኣሞራውያን+ እምበር፡ እስራኤላውያን ኣይነበሩን። እስራኤላውያን ድማ ኪንሕፍዎም ምሒሎም ነበሩ፣+ ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፡ ኪቐትሎም ደለየ።) 3 ዳዊት ከኣ ንጊብዖናውያን፡ “ንርስቲ የሆዋ ኽትምርቑስ፡ እንታይ ክገብረልኩም፧ ከመይ ገይረኸ ዕርቂ ኽገብር፧” በሎም። 4 ጊብዖናውያን ድማ፡ “ምስ ሳኦልን ቤቱን ዘሎና ነገር ናይ ብሩር ወይ ናይ ወርቂ ኣይኰነን፣+ ኣብ እስራኤል እውን ዝዀነ ሰብ ክንቀትል ኣይንኽእልን ኢና” በሉ። ንሱ ኸኣ፡ “እትብልዎ ዘበለ ኽገብረልኩም እየ” በሎም። 5 ንሳቶም ድማ ንንጉስ፡ “እቲ ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል ከይንነብር ዘጽነተናን ኬጥፍኣና እተተናዀለናን ሰብኣይ፡+— 6 ካብ ደቁ ሸውዓተ ይወሃቡና። ሬሳታቶም ኣብ ጊብዓ+ ናይ ሳኦል፡ እቲ ሕሩይ የሆዋ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽንሰቅል* ኢና” በልዎ።+ ንጉስ ከኣ፡ “ኣነ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ” በሎም። 7 ንጉስ ግና ንመፊቦሸት+ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሳኦል፡ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ የሆዋ እተገብረ ማሕላ ኢሉ ራሕርሓሉ።+ 8 ንጉስ ከኣ ነቶም ክልተ ደቂ ሪጽጳ+ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞኒን መፊቦሸትን ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል*+ ጓል ሳኦል ንዓድርኤል+ ወዲ ባርዚላይ እቲ መሖላታዊ ዝወለደትሉን ወሰዶም። 9 ኣብ ኢድ ጊብዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ንሬሳታቶም ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰቐልዎ።+ ኵሎም ሸውዓቲኦም ብሓደ ሞቱ፣ ኣብ ቀዳማይ ዓጺድ፡ ኣብ መጀመርታ ዓጺድ ስገም ተቐትሉ። 10 ሪጽጳ+ ጓል ኣያ ኸኣ ካብ መጀመርታ ዓጺድ ኣትሒዛ፡ ካብ ሰማያት ኣብቲ ሬሳታት ዝናም ክሳዕ ዚዘንም ማቕ ወሲዳ ኣብ ከውሒ ኣንጸፈት፣ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማያት ኣብ ልዕሊኦም ኪዓርፋ፡ ብለይቲ ድማ ኣራዊት መሮር ኪቐርቦም ኣይፈቐደትን። 11 ንዳዊት ከኣ፡ እቲ ሪጽጳ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል፡ ዝገበረቶ ተነግሮ። 12 ዳዊት ድማ ከይዱ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ወዱ ዮናታንን ካብ መራሕቲ* ያቤሽ-ጊልዓድ ወሰደ፣+ ንሳቶም ከኣ ካብ ኣደባባይ ቤት-ሻን ሰሪቖምዎ ነበሩ፣ ኣብኡ ድማ በታ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ፡ ፍልስጥኤማውያን ሰቒሎምዎ ነበሩ።+ 13 ንሱ ኸኣ ካብኡ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ወዱ ዮናታንን ኣምጽአ፣ ኣዕጽምቲ እቶም ቅቱላት* እውን ኣከቡ።+ 14 ንኣዕጽምቲ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጼላዕ፡+ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ቂስ+ ቀበርዎ። ኵሉ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ምስ ገበሩ፡ ኣምላኽ፡ ልማኖ እታ ምድሪ ሰምዐ።+ 15 ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤልን ከም ብሓድሽ ውግእ ኰነ።+ ዳዊትን ገላዉኡን ድማ ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፣ ዳዊት ከኣ ደኸመ። 16 ካብ ረፋይም+ እተወልደ ይሽቢ-ብኖብ ዝስሙ ድማ፡ ንዳዊት ኪቐትሎ ሓሰበ፣ ንሱ 300 ሲቃል* ዝሚዛኑ ናይ ነሓሲ ዂናት ነበሮ፡+ ሓድሽ ሰይፊ እውን ተዓጢቑ ነበረ። 17 ሽዑ፡ ኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ ረድኦ፡+ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ኸኣ ቀተሎ። በታ ግዜ እቲኣ፡ ሰብ ዳዊት፡ “ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውጻእ!+ መብራህቲ እስራኤል ኣይተጥፍእ!”+ ኢሎም መሓሉሉ። 18 ድሕርዚ፡ ከም ብሓድሽ ምስ ፍልስጥኤማውያን+ ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ሽዑ፡ ሲብካይ+ እቲ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ረፋይም+ እተወልደ ሳፍ ቀተሎ። 19 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን+ ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያዔሬ-ዖርጊም እቲ ብዓል ቤት-ልሄም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ ጐልያድ እቲ ጊታዊ ቐተሎ።+ 20 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ድማ ኣጻብዕ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸሽዱሽተ፡ ብድምር 24 ዘለዎ ገዚፍ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ እውን ካብ ረፋይም እተወልደ እዩ።+ 21 ንሱ ኸኣ ንእስራኤል ኣባጨወሉ።+ ዮናታን ወዲ ሺምዒ+ ሓው ዳዊት ድማ ቀተሎ። 22 እዞም ኣርባዕተ እዚኦም ኣብ ጋት ካብ ረፋይም እተወልዱ እዮም፣ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ።+ 15 ድሕርዚ፡ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዚጐይዩ 50 ሰብኡትን ገበረ።+ 2 ኣቤሴሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ደረት መገዲ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው ይብል ነበረ።+ ዝዀነ ሰብ ናብ ንጉስ ንፍርዲ ዚቐርብ ጕዳይ ምስ ዚህልዎ፡+ ኣቤሴሎም ይጽውዖ እሞ፡ “ካብ ኣየነይቲ ኸተማ ኢኻ፧” ይብሎ ነበረ፣ ንሱ ድማ፡ “ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገዳት እስራኤል እዩ” ይብሎ ነበረ። 3 ኣቤሴሎም ከኣ፡ “ርኢኻ፡ ነገርካ ቕኑዕን ግቡእን እዩ፣ ካብ ንጉስ ግና ንነገርካ ዚሰምዓልካ ሓደ እኳ የልቦን” ይብሎ ነበረ። 4 ኣቤሴሎም ድማ፡ “ኣብዛ ምድሪ፡ ፈራዲ ዀይነ እንተ ዝሽየም መን ምሃበ! ሽዑ፡ ኵሉ እቲ ጕዳይ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ምመጸ እሞ፡ ኣነ ኸኣ ፍትሒ መውጻእኩሉ ነይረ” ይብል ነበረ። 5 ሰብ ኪሰግደሉ ኢሉ ናብኡ ምስ ዚቐርብ ከኣ፡ ኣቤሴሎም ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።+ 6 ኣቤሴሎም ድማ ንዅሎም እቶም ንፍርዲ ናብ ንጉስ ዚመጹ እስራኤላውያን፡ ከምዚ ይገብረሎም ነበረ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣቤሴሎም ልቢ ሰብ እስራኤል ይሰርቕ ነበረ።+ 7 ኣብ መወዳእታ ኣርባዕተ ዓመት፡* ኣቤሴሎም ንንጉስ፡ “በጃኻ፡ ናብ ኬብሮን+ ከይደ፡ ንየሆዋ እተመባጻዕኩሉ መብጽዓ ኽፍጽም። 8 ጊልያኻ ኣብ ጌሹር ኣብ ሶርያ ኪቕመጥ ከሎስ፡+ ‘የሆዋ ናብ የሩሳሌም እንተ መሊሱኒ፡ ንየሆዋ ኽስውኣሉ* እየ’ ኢሉ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ”+ በሎ። 9 ንጉስ ከኣ፡ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ኬብሮን ከደ። 10 ኣቤሴሎም ድማ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ሰለይቲ ለኣኸ እሞ፡ “ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ!’ ኢልኩም ኣውጁ” በሎም።+ 11 ምስ ኣቤሴሎም ከኣ 200 ሰባት ካብ የሩሳሌም ከይዶም ነበሩ፣ ንሳቶም ድማ ተዓዲሞም እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ኸይፈለጡ ብገርሆም ከዱ። 12 ኣቤሴሎም መስዋእቲ ኺስውእ ከሎ ኸኣ፡ ልኢኹ ንኣሒቶፌል+ እቲ ጊሎናዊ፡ ኣማኻሪ ዳዊት፡+ ካብ ከተማኡ ጊሎ+ ጸውዖ። እቲ ውዲት ድማ እናበርትዐ ኸደ፣ እቲ ንኣቤሴሎም ዚድግፍ ህዝቢ ኸኣ እናበዝሐ ኸደ።+ 13 ሓደ መውረዪ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “ልቢ ሰብ እስራኤል ናብ ኣቤሴሎም ዘምቢሉ” በለ። 14 ሽዑ፡ ዳዊት ንዅሎም እቶም ምስኡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ገላዉኡ፡ “ዋላ ሓደ ኻባና ኻብ ኣቤሴሎም ኣይኬምልጥን እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንህደም!+ ቀልጢፉ ኣርኪቡ ኸየጥፍኣናን ነዛ ኸተማ ብሰይፊ ኸይወቕዓንሲ፡ ንቐልጥፍ” በሎም።+ 15 እቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ንንጉስ፡ “ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዚውስኖ ዘበለ ዅሉ፡ ገላዉኻ ኸምኡ ንምግባር ድሉዋት እዮም” ኢሎም መለሱሉ።+ 16 ንጉስ ድማ ኵሎም ቤተ ሰቡ እናሰዓብዎ ወጸ፣ ንጉስ ግና፡ ቤት* ኪሕልዋ ኢሉ ንዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ+ ሓደገን። 17 ንጉስ ከኣ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰዓቦ ወጸ፣ ኣብ ቤት-መርሓቅ ድማ ደው በሉ። 18 ኵሎም እቶም ምስኡ ዚኸዱ* ዝነበሩ ገላዉኡን ኵሎም እቶም ክረታውያንን ኵሎም እቶም ጵለታውያንን+ ኵሎም እቶም ካብ ጋት+ ስዒቦምዎ ዝነበሩ 600 ጊታውያንን፡+ ንጉስ እናረኣዮም ይሓልፉ ነበሩ።* 19 ሽዑ፡ ንጉስ ንኢታይ+ እቲ ጊታዊ፡ “ንስኻኸ ስለምንታይ ኢኻ ምሳና እትኸይድ፧ ተመለስ እሞ ምስቲ ሓድሽ ንጉስ ተቐመጥ፣ ንስኻስ ጓናን ካብ ቦታኻ እተሰደድካን ኢኻ። 20 ትማሊ መጺእካስ፡ ሎሚዶ ኣነ ብዝኸድኩ ዅሉን ናብ ዝኸዶ ዘበለን ክትከይድ ምሳና ዀለል ከብለካ እየ፧ ተመለስ፡ ንኣሕዋትካ እውን ምሳኻ ውሰዶም፣ የሆዋ ድማ ብተኣማንነት የፍቅርካን ተኣማንነት የርኢኻን” በሎ።+ 21 ኢታይ ግና ንንጉስ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ጐይታይ ንጉስ እውን ህያው ዝዀነ፡ ንሞት ኰነ ንህይወት፡ ኣብቲ ጐይታይ ንጉስ ዚዀኖ ቦታ፡ ጊልያኻ ኣብኡ ኪኸውን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 22 ዳዊት ከኣ ንኢታይ፡+ “ኪድ ተሳገር” በሎ። ኢታይ እቲ ጊታዊ ድማ ምስ ኵሎም ሰቡን ቈልዑን ተሳገረ። 23 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኺሳገሩ ኸለዉ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ ዓው ኢሉ ይበኪ ነበረ፣ ንጉስ ከኣ ኣብ ጥቓ ስንጭሮ ቄድሮን+ ደው ኢሉ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ በታ ናብ በረኻ እተምርሕ መገዲ ይሳገሩ ነበሩ። 24 ጻዶቅ+ እውን ኣብኡ ነበረ፣ ምስኡ ኸኣ ኵሎም ሌዋውያን+ ታቦት+ ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጾይሮም ነበሩ፣+ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኣንበርዎ፣ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብታ ኸተማ ተሳጊሩ ኽሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ኣብያታር+ ደየበ። 25 ንጉስ ግና ንጻዶቅ፡ “ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ንሱ ኺመልሰንን ንመንበሪኡ ኼርእየንን እዩ።+ 26 ‘ብኣኻ ባህ ኣይበለንን’ እንተ ኢሉኒ ግና፡ ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝመሰሎ ይግበረኒ” በሎ። 27 ንጉስ ድማ ንኻህን ጻዶቅ፡ “ንስኻስ ረኣዪ ደይኰንካን፧+ ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፣ ንኽልቲኦም ደቅኹም፡ ንወድኻ ኣሒማዓጽን ንዮናታን+ ወዲ ኣብያታርን፡ ምሳኻትኩም ውሰድዎም። 28 ርኣዩ፡ ካባኻትኩም ዚሕብረኒ መልእኽቲ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ኣብ መሳገሪታት በረኻ ኽጸንሕ እየ” በሎ።+ 29 ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ እውን ጸንሑ። 30 ዳዊት ድማ ናብ ደብረ ዘይቲ*+ ኺድይብ ከሎ፡ እናበኸየ ደየበ፣ ርእሱ ተጐልቢቡ ኸኣ፡ ጥራይ እግሩ ይኸይድ ነበረ። ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ረርእሶም ተጐልቢቦም እናበኸዩ ይድይቡ ነበሩ። 31 ንዳዊት ድማ፡ “ኣሒቶፌል ምስቶም ምስ ኣቤሴሎም ውዲት ዝኣለሙ እዩ”+ ተባሂሉ ተነግሮ። ሽዑ፡ ዳዊት፡ “ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ለውጦ” በለ።+ 32 ዳዊት ናብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዚሰግዱላ ዝነበሩ ቦታ ምስ መጸ፡ ሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ+ ኽዳኑ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱ እውን ሓመድ ነስኒሱ ኺረኽቦ ኣብኡ ነበረ። 33 ዳዊት ግና ከምዚ በሎ፦ “ምሳይ እንተ ኼድካ፡ ጾር ክትኰነኒ ኢኻ። 34 ግናኸ፡ ናብ ከተማ እንተ ተመሊስካ፡ ንኣቤሴሎም ድማ፡ ‘ኦ ንጉስ፡ ኣነ ጊልያኻ እየ። ኣቐዲመ፡ ጊልያ ኣቦኻ ነይረ፡ ሕጂ ግና ጊልያኻ እየ’ እንተ ኢልካዮ፡+ ሽዑ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከተፍሽለለይ ኢኻ።+ 35 ጻዶቅን ኣብያታርን እቶም ካህናት ምሳኻዶ የለዉን፧ ኵሉ እቲ ኻብ ቤት ንጉስ እትሰምዖ፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን እቶም ካህናት ንገሮም።+ 36 እንሆ፡ ምሳታቶም ከኣ ክልቲኦም ደቆም፡ ኣሒማዓጽ+ ወዲ ጻዶቅን ዮናታን+ ወዲ ኣብያታርን ኣለዉ፣ እትሰምዕዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ብኣታቶም ልኣኹለይ።” 37 ሑሻይ ፈታው* ዳዊት ከኣ፡+ ኣቤሴሎም ናብ የሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ፡ ናብ ከተማ ኸደ። 22 ዳዊት ድማ በታ የሆዋ ኻብ ኢድ ኵሎም ጸላእቱን+ ካብ ኢድ ሳኦልን ዘናገፎ መዓልቲ፡+ ንየሆዋ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረቦ።+ 2 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “የሆዋ ኸውሐይን ዕርደይን+ መናገፍየይን+ እዩ። 3 ኣምላኸይ ዝምዕቈበሉ ኸውሐይ፡+ዋልታይን+ ቀርኒ* ድሕነተይን፡* እምባይ፡*+መህደምየይ፡+ መድሓንየይ+ እዩ፣ ንስኻ ኻብ ዓመጻ ተድሕነኒ። 4 ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ የሆዋ ኽጽውዕ፡ካብ ጸላእተይ ድማ ክድሕን እየ። 5 ማዕበላት ሞት ከቢቡ ጸፊዑኒ፣+ወሓይዝ ዘይጠቕሙ ሰባት ኣሸቢሩኒ።+ 6 ኣግማድ መቓብር* ከቢቡኒ፣+መፈንጠራታት ሞት ኣጋጢሙኒ።+ 7 ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡+ናብ ኣምላኸይ ከኣ ተማህሊለ። ካብ መቕደሱ ድምጸይ ሰሚዑ፡ኣውያተይ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ።+ 8 ምድሪ ተናዊጻን ኣንቀጥቂጣን፣+መሰረታት ሰማያት ኣንደቕዲቑ፡+ስለ እተቘጥዐ ድማ፡ ተናዊጹ።+ 9 ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ዓሪጉ፡ካብ ኣፉ ኸኣ ዚባላዕ ሓዊ ወጺኡ፣+ካብኡ ጓህሪ ተባሪዑ። 10 ኪወርድ ከሎ፡ ንሰማያት ኣድኒንዎ፡+ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ እውን ብርቱዕ ድነ ነይሩ።+ 11 ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል+ ተወጢሑ እናነፈረ መጺኡ። ኣብ ኣኽናፍ መንፈስ* ከኣ ተራእዩ።+ 12 ኣብ ጸልማት ማያትን ከቢድ ደበናታትን፡ንጸልማት ከም መጽለሊ ኣብ ዙርያኡ ገይሩ።+ 13 ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ድምቀት፡ ጓህሪ ተባሪዑ። 14 የሆዋ ድማ ካብ ሰማይ ኣንጐድጒዱ፣+እቲ ልዑል፡ ድምጹ ኣስሚዑ።+ 15 ፍላጻታቱ ወርዊሩ+ ፋሕ ኣቢልዎም፣ብበርቂ ኸኣ ኣሸቢርዎም።+ 16 ብምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኡ፡ብመግናሕቲ የሆዋ፡ መሰረታት ምድሪ ተቐሊዑ፣+ባይታ ባሕሪ ድማ ተራእዩ።+ 17 ኢዱ ኻብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘርጊሑ፣ሒዙ ኸኣ ካብ ዓሚቝ ማያት ኣውጺኡኒ።+ 18 ካብ ሓያል ጸላእየይ፡ካብቶም ካባይ ዚሕይሉ ዚጸልኡኒ ኣናጊፉኒ።+ 19 ብመዓልቲ ጥፍኣተይ ገጢሞምለይ፣+ግናኸ፡ የሆዋ ደገፍ ኰይኑኒ። 20 ናብ ውሑስ ቦታ* ኣውጺኡኒ፣+ብኣይ ባህ ስለ ዝበሎ፡ ኣናጊፉኒ።+ 21 የሆዋ ኸም ጽድቀይ ይፈድየኒ፣+ከም ንጽህና ኢደይ ይኽሕሰኒ።+ 22 ከመይሲ፡ መገድታት የሆዋ ሓልየ እየ፣ንኣምላኸይ ብምሕዳግ ድማ እከይ ኣይገበርኩን። 23 ኵሉ ፍርድታቱ+ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ካብ ሕግታቱ ኸኣ ኣየላገስኩን።+ 24 ኣብ ቅድሚኡ መንቅብ ዘይብለይ ክኸውን፡+ካብ ስሕተት እውን ክሕሎ እየ።+ 25 የሆዋ ኸም ጽድቀይ፡+ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ንጽህናይ ይኽሓሰኒ።+ 26 ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን፣+መንቅብ ምስ ዘይብሉ ጅግና ኸኣ፡ መንቅብ ዘይብልካ ትኸውን፣+ 27 ምስ ንጹህ፡ ንጹህ ትኸውን፡+ምስ ቄናን ግና፡ ትጐርሕ።*+ 28 ንትሑታትሲ ተድሕኖም፣+ኣዒንትኻ ግና ኣንጻር ዕቡያት እየን፡ ተዋርዶም ድማ።+ 29 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ መብራህተይ ኢኻ፣+ንጸልማተይ ዜብርሆ የሆዋ እዩ።+ 30 ብሓገዝካ ንዘማቲ ጭፍራ ኸጥቅዕ እኽእል፣ብሓይሊ ኣምላኽ መንደቕ ክሓኵር እኽእል።+ 31 መገዲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ፣+ቃል የሆዋ እተጻረየ እዩ።+ ንዅሎም እቶም ዚምዕቈብዎ ዋልታኦም እዩ።+ 32 ብዘይካ የሆዋስ ኣምላኽ መን እዩ፧+ ብዘይካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፧+ 33 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጽኑዕ ዕርደይ እዩ፣+ንመገደይ ከኣ ፍጹም ይገብሮ።+ 34 ንኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ኣብ በረኽቲ ድማ የቝመኒ።+ 35 ንኣእዳወይ ንውግእ የሰልጥነን፡ቀላጽመይ ቀስቲ ነሓሲ ኺግትራ ይኽእላ። 36 ዋልታ ድሕነትካ ትህበኒ፡ትሕትናኻ ኸኣ ተዕብየኒ።+ 37 መገዲ ስጕምትታተይ ተግፍሕ፣ኣእጋረይ* እውን ኣየንደልህጻን።+ 38 ንጸላእተይ ስዒበ ኸጥፍኦም፡ክሳዕ ዚድምሰሱ ድማ ኣይክምለስን እየ። 39 ምእንቲ ኸይትንስኡ፡ ክድምስሶምን ክጭፍልቖምን እየ፣+ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ኪወድቁ እዮም። 40 ንውግእ ብብርታዐ ተዕጥቐኒ፣+ንጸላእተይ ከኣ ኣብ ትሕተይ ተውድቖም።+ 41 ንጸላእተይ ካባይ ከም ዜንሳሕቡ ትገብር፣*+ነቶም ዚጸልኡኒ ድማ መወዳእታ ኽገብረሎም* እየ።+ 42 የእውዩ፡ ዜድሕኖም ግና የልቦን፣ናብ የሆዋ እውን ይምህለሉ፡ ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን።+ 43 ከም ሓመድ ምድሪ ኽደቝሶም እየ፣ከም ኣብ ጐደና ዘሎ ጭቃ ኸድቅቖምን ክረግጾምን እየ። 44 ካብ ነቐፌታ ህዝበይ ተናግፈኒ።+ ርእሲ ኣህዛብ ክኸውን ትሕልወኒ፣+ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ኺግዝኣኒ እዩ።+ 45 ጓኖት ሸቘጥቈጥ እናበሉ ናብ ቅድመይ ኪመጹ፡+በቲ ብዛዕባይ ዝሰምዕዎ ኺእዘዙኒ እዮም።* 46 ጓኖት ኪጃጅዉ፡*ካብ ዕርድታቶም ራዕራዕ እናበሉ ኺመጹ እዮም። 47 የሆዋ ህያው እዩ! እቲ ኸውሐይ ይወደስ!+ እቲ ኣምላኽ ከውሒ ድሕነተይ ልዕል ይበል።+ 48 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሕነ ይፈድየለይ፣+ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ የምበርክኾም፣+ 49 ንሱ ኻብ ጸላእተይ የናግፈኒ። ኣብ ልዕሊ እቶም ዜጥቅዑኒ ልዕል ተብለኒ፣+ካብ ሰብኣይ ዓመጻ ተድሕነኒ።+ 50 ስለዚ፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከመስግነካ፡+ንስምካ እውን ውዳሰ ኽዝምር* እየ፦+ 51 ንንጉሱ ዓብዪ ግብርታት ድሕነት* ይገብር፣+ንዘለኣለም ንዳዊትን ንዘርኡን፡ነቲ ቕቡኡ ብተኣማንነት የፍቅር።”+ 17 ሓደ ኻብቶም ነበርቲ ጊልዓድ+ ዝነበረ ኤልያስ*+ ቲሽባዊ ንኣከኣብ፡ “ከምቲ እቲ ኣነ ዘገልግሎ* የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ህያው ዝዀነ፡ በዘን ዓመታት እዚአን ብቓለይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣውሊ ዀነ ዝናም ኣይኪኸውንን እዩ” በሎ።+ 2 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ መጾ፦ 3 “ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ፡ ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ ስንጭሮ* ከሪት ተሓባእ። 4 ካብቲ ርባ ስተ፣ ኣብኡ ኺምግቡኻ ኸኣ ንኳዃት ክእዝዞም እየ።”+ 5 ብኡብኡ፡ ከይዱ ኸም ቃል የሆዋ ገበረ፣ ከይዱ ድማ ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ ስንጭሮ* ከሪት ተቐመጠ። 6 እቶም ኳዃት ከኣ ንግሆ እንጌራን ስጋን፡ ምሸት እውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፣ ካብቲ ርባ ድማ ይሰቲ ነበረ።+ 7 ኣብታ ምድሪ ዝናም ስለ ዘይዘነመ ግና፡ ድሕሪ እተወሰነ መዓልትታት እቲ ርባ ነጸፈ።+ 8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ መጾ፦ 9 “ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶን ኪድ፡ ኣብኣ እውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ክትምግበካ ኽእዝዝ እየ።”+ 10 ተንሲኡ ድማ ናብ ሰራጵታ ኸደ። ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ መጸ ኸኣ፡ ሓንቲ መበለት ዕንጨይቲ ትኣሪ ነበረት። ንዓኣ ጸዊዑ ድማ፡ “በጃኺ ዝሰትዮ ሒደት ማይ ብኣቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ” በላ።+ 11 ከተምጽእ ኢላ ኽትከይድ ከላ ኸኣ፡ ጸዊዑ፡ “በጃኺ ብኢድኪ ቝራስ እንጌራ ኣምጽእለይ” በላ። 12 ንሳ ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ህያው ዝዀነ፡ ብዘይካ ዕማዅ ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይቲ ኸኣ ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራ የብለይን።+ ሕጂ ድማ ሒደት ዕንጨይቲ እኣሪ ኣለኹ፣ ኣትየ ኸኣ ንዓይን ንወደይን ገለ ኽገብር እየ። በሊዕናዮ ድማ ክንመውት ኢና” በለት። 13 ኤልያስ ከኣ ከምዚ በላ፦ “ኣይትፍርሂ። ኪዲ እሞ ኸምቲ ዝበልክዮ ግበሪ። ቅድም ግና ካብኡ ንዓይ ንእሽቶ ቕጫ ጌርኪ ኣምጽእለይ። ድሕሪኡ፡ ንዓኽን ንወድኽን ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። 14 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክሳዕ እታ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ፡ እቲ ሓርጭ ካብቲ ዕትሮ ኣይኪውዳእን፡ እቲ ዘይቲ እውን ካብቲ መቐርሰሚቶ ኣይኪሕንኰዅን እዩ።’”+ 15 ከይዳ ድማ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት፣ ንሳን ንሱን ቤተ ሰባን ከኣ ንብዙሕ መዓልትታት በልዑ።+ 16 ከምቲ የሆዋ ብኤልያስ እተዛረቦ ቓል ድማ፡ እቲ ሓርጭ ካብቲ ዕትሮ ኣይተወድአን፡ እቲ ዘይቲ እውን ካብቲ መቐርሰሚቶ ኣይተሓንኰዀን። 17 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ወዲ እታ ብዓልቲ እታ ቤት ዝዀነት ሰበይቲ ሓመመ፣ ሕማሙ ኣዝዩ ስለ ዝበርትዖ ኸኣ፡ ትንፋሱ ሓለፈት።+ 18 ሽዑ፡ ንሳ ንኤልያስ፡ “ኦ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣንጻረይ እንታይ ኣሎካ፧* በደለይ ከተዘክረኒ፡ ወደይ እውን ክትቀትል ዲኻ መጺእካ፧” በለቶ።+ 19 ንሱ ግና፡ “ወድኺ ሃብኒ” በላ። ካብ ሕቝፋ ወሲዱ ድማ፡ ናብታ ዚነብረላ ደርቢ ኣደዪቡ፡ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ።+ 20 ሽዑ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡+ ነዛ ኣነ ምስኣ ዝነብር ዘለኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ትጐድኣ ኣለኻ፧” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 21 ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዕ ተዘርጊሑ ድማ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ህይወት* እዚ ቘልዓ እዚ ናብኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 22 የሆዋ ኸኣ ልማኖ ኤልያስ ሰምዐ፣+ ህይወት* እቲ ቘልዓ ድማ ናብኡ ተመልሰት እሞ ህያው ኰነ።+ 23 ኤልያስ ከኣ ነቲ ቘልዓ ወሲዱ፡ ካብቲ ደርቢ ናብታ ቤት ኣውሪዱ፡ ንኣዲኡ ሃባ። ኤልያስ ድማ፡ “ርኣዪ፡ ወድኺ ህያው ኰይኑ” በላ።+ 24 ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ ንኤልያስ፡ “ንስኻ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ፡+ ቃል የሆዋ ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈሊጠ” በለቶ። 18 ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት፡+ “ኬድካ ንኣከኣብ ተርኣዮ፣ ኣነ ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ዝናም ከዝንም እየ” ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤልያስ መጸ።+ 2 ኤልያስ ከኣ ጥሜት ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ኸሎ፡+ ንኣከኣብ ኪርኣዮ ኸደ። 3 ኣከኣብ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ሰቡ ዝነበረ ኦብድያ ጸውዖ። (ኦብድያ ኸኣ ንየሆዋ ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ። 4 ኢዛቤል+ ንነብያት የሆዋ ኸተጥፍኦም ከላ ድማ፡ ኦብድያ 100 ነብያት ወሲዱ፡ በብ50 ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓብኦም፣ እንጌራን ማይን ከኣ ይምግቦም ነበረ።) 5 ኣከኣብ ድማ ንኦብድያ፡ “ኣብዛ ምድሪ ናብ ኵሉ ዓይኒ ማያትን ናብ ኵሉ ስንጭሮታትን* ኪድ። ምናልባት ኣፍራስን ኣባቕልን ንምድሓን እኹል ሳዕሪ ንረክብ ንኸውን፡ ኵለን እንስሳታትና እውን ኣይሞታን ይዀና” በሎ። 6 ነታ ዚኸድዋ ምድሪ ኸኣ ተማቐልዋ። ኣከኣብ በይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ፣ ኦብድያ እውን በይኑ ብኻልእ መገዲ ኸደ። 7 ኦብድያ ኣብ መገዲ ኸሎ ድማ፡ እንሆ፡ ኤልያስ ረኸቦ። ኣለልይዎ ኸኣ ብገጹ ተደፊኡ፡ “ጐይታይ ኤልያስ፡ ንስኻ ዲኻ፧” በለ።+ 8 ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ። ኬድካ ንጐይታኻ፡ ‘ኤልያስ እንሆ’ በሎ” ኢሉ መለሰሉ። 9 ንሱ ግና ከምዚ በለ፦ “ኪቐትለንስ ንጊልያኻ ኣብ ኢድ ኣከኣብ ኣሕሊፍካ እትህበኒ፡ እንታይ ሓጢኣት ገይረ እየ፧ 10 ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ህያው ዝዀነ፡ ጐይታይ ኪደልየካ ዘይለኣኸሉ ህዝቢ ዀነ መንግስቲ የልቦን። ‘የሎን’ ምስ በሉ ኸኣ፡ ነታ መንግስትን ነቲ ህዝብን ኪረኽቡኻ ኸም ዘይከኣሉ ኣምሒልዎም።+ 11 ሕጂ ድማ፡ ንስኻ፡ ‘ኬድካ ንጐይታኻ፡ “ኤልያስ እንሆ” በሎ’ ትብለኒ ኣለኻ። 12 ኣነ ኻባኻ ምስ ከድኩ፡ መንፈስ የሆዋ ኣነ ናብ ዘይፈልጦ ቦታ ኺወስደካ እዩ፣+ ንኣከኣብ ምስ ነገርክዎ እሞ፡ ምስ ዘይረኽበካ፡ ኪቐትለኒ እዩ። ጊልያኻ ግና ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንየሆዋ ይፈርሆ እዩ። 13 ኢዛቤል ንነብያት የሆዋ ኽትቀትሎም ከላ፡ ካብ ነብያት የሆዋ 100 ሰብ በብ50 ገይረ ኣብ በዓቲ ኸም ዝሓባእኩ፡ እንጌራን ማይን ድማ ከም ዝመገብክዎም፡ ንጐይታይዶ ኣይተነግሮን እዩ፧+ 14 ሕጂ ግና ንስኻ፡ ‘ኬድካ ንጐይታኻ፡ “ኤልያስ እንሆ” በሎ’ ትብለኒ ኣለኻ። ብርግጽ ኪቐትለኒ ኸኣ እዩ።” 15 ኤልያስ ግና፡ “ከምቲ እቲ ዘገልግሎ* የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ህያው ዝዀነ፡ ሎሚ ኣነ ኽርኣዮ እየ” በለ። 16 ኦብድያ ድማ ንኣከኣብ ኪረኽቦ ኸደ፣ ኣከኣብ ከኣ ንኤልያስ ኪረኽቦ ኸደ። 17 ኣከኣብ ንኤልያስ ምስ ረኣዮ፡ “ኣታ ኣብ እስራኤል ብዙሕ ጭንቂ እተምጽእ፡* ንስኻ ዲኻ፧” በሎ። 18 ንሱ ድማ፡ “ንስኻን ቤት ኣቦኻን ትእዛዛት የሆዋ ብምሕዳግኩምን ንበዓላት ብምስዓብካን እምበር፡ ኣነስ ኣብ እስራኤል ጭንቂ ኣየምጻእኩን።+ 19 ሕጂ ኸኣ ንዅሎም እስራኤልን ነቶም ኣብ መኣዲ ኢዛቤል ዚበልዑ 450 ነብያት በዓልን 400 ነብያት ዓንዲ ኣምልኾን*+ ልኢኽካ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ+ ኣክበለይ” በሎ። 20 ኣከኣብ ድማ ናብ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ለኣኸ፡ ነቶም ነብያት እውን ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ኣከቦም። 21 ኤልያስ ከኣ ናብ ኵሎም እቶም ህዝቢ ቐሪቡ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ* እትሕንክሱ፧+ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ንዕኡ ስዓቡ፣+ በዓል እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንዕኡ ስዓቡ” በሎም። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን። 22 ኤልያስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “ካብ ነብያት የሆዋ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፣+ ነብያት በዓል ግና 450 እዮም። 23 እምበኣር፡ ክልተ ዝራብዕ ይሃቡና እሞ፡ ሓደ ዝራብዕ ንዓታቶም ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ድማ ኣብ ልዕሊ ዕንጨይቲ የንብርዎ፡ ሓዊ ግና ኣይእጐዱሉ። ኣነ ኸኣ ነቲ ሓደ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕንጨይቲ ኸንብሮ እየ፡ ሓዊ ግና ኣይክኣጕደሉን እየ። 24 ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፣+ ኣነ ድማ ብስም የሆዋ ኽምህለል እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ፡ ንሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ኼርኢ እዩ።”+ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እዚ ዝበልካዮ ጽቡቕ እዩ” ኢሎም መለሱ። 25 ኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓል፡ “ንስኻትኩም ትበዝሑ እሞ፡ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሓሪኹም ኣሰናድዉ። ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ” በሎም። 26 ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃቦም ዝራብዕ ወሲዶም ኣሰናደዉ፡ “ኦ በዓል፡ መልሰልና!” እናበሉ ኻብ ንግሆ ኽሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ፡ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚምልስ እውን ኣይነበረን።+ ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ኸኣ ሓንከስከስ እናበሉ ይዞርዎ ነበሩ። 27 ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ኤልያስ፡ “ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምናልባት ኣብ ሓሳብ ጥሒሉ ኸይህሉ፡ ወይ ጾር ኬፋዅስ ከይዱ ኸይከውን፡* ወይ ደቂሱ ኸይህሉ እሞ ምእንቲ ኺበራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ” ኢሉ ኣላገጸሎም።+ 28 ዓው ኢሎም ከኣ ይጭድሩ፡ ከምቲ ልምዶም ድማ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም ክሳዕ ዚፈስስ ብሽቶልን ብሕላስን ሰብነቶም ይበጥሑ ነበሩ። 29 ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፡ ክሳዕ እታ ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ዚቐርበላ ግዜ ዓበድበድ በሉ፣* ግናኸ፡ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚምልስ ከኣ ኣይነበረን፡ ዜቕልብ እውን ኣይነበረን።+ 30 ሽዑ፡ ኤልያስ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “ናባይ ቅረቡ” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ኸኣ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ የሆዋ ጸገኖ።+ 31 ኤልያስ ድማ ከም ቍጽሪ ነገዳት ደቂ እቲ “ስምካ እስራኤል ኪኸውን እዩ” ዚብል ቃል የሆዋ ዝመጸሉ ያእቆብ፡ 12 እምኒ ወሰደ።+ 32 በቲ ኣእማን ከኣ ብስም የሆዋ መሰውኢ ሰርሐ።+ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ጕድጓድ ኰዓተ፣ እቲ ቦታ ኸኣ ክልተ ሴኣ* ዘርኢ ንምዝራእ ዚኣክል ነበረ። 33 ነቲ ዕንጨይቲ ምስ ጸፍጸፎ ድማ፡ ነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንጨይቲ ኣንበሮ።+ ሽዑ፡ “ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኩም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንጨይትን ኣፍስስዎ” በለ። 34 ድሕሪኡ፡ “ድገሙ” በለ። ደገሙ ድማ። መሊሱ ኸኣ፡ “ሰልሱ” በለ። ሰለሱ ድማ። 35 እቲ ማይ ከኣ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ወሓዘ፣ ነቲ ጕድጓድ እውን ብማይ መልኦ። 36 በታ ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ዚቐርበላ ግዜ፡+ ነብዪ ኤልያስ ቀሪቡ ኸምዚ በለ፦ “ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ይስሃቅን+ እስራኤልን፡ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ኣነ ኸኣ ጊልያኻ ኸም ዝዀንኩ፡ ኵሉ እዚ ነገር እዚ እውን ብቓልካ ኸም ዝገበርክዎ፡ ሎሚ ኣፍልጥ።+ 37 ኦ የሆዋ፡ መልሰለይ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ንስኻ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃንካን ንስኻ ንልቦም ናባኻ ትመልሶ ኸም ዘለኻን ምእንቲ ኺፈልጡ፡ መልሰለይ።”+ 38 ሽዑ፡ ሓዊ ኻብ የሆዋ ወረደ፡ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን ነቲ ዕንጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፣+ ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይ ከኣ ለሓሶ።+ 39 ኵሎም እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ብኡብኡ ብገጾም ተደፊኦም፡ “የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ! የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ!” በሉ። 40 ኤልያስ ድማ፡ “ንነብያት በዓል ሓዝዎም! ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣየምልጥ!” በሎም። ሽዑ፡ ንሳቶም ሓዝዎም፣ ኤልያስ ከኣ ናብ ርባ ቂሶን+ ኣውሪዱ፡ ኣብኡ ሓረዶም።+ 41 ኤልያስ ድማ ንኣከኣብ፡ “ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ኣሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተን” በሎ።+ 42 ኣከኣብ ከኣ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ፣ ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደዪቡ፡ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገይሩ ተዀርመየ።+ 43 ንጊልያኡ ኸኣ፡ “በጃኻ፡ ደይብ እሞ፡ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ” በሎ። ንሱ ድማ ደዪቡ ኣማዕደወ እሞ፡ “ገለ እኳ የልቦን” በለ። ኤልያስ ከኣ ሸውዓተ ግዜ፡ “ተመለስ” በሎ። 44 ኣብታ ሻውዐይቲ ግዜ፡ እቲ ጊልያኡ፡ “እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ እትኸውን ንእሽቶ ደበና ኻብ ባሕሪ ትልዓል ኣላ” በለ። ንሱ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ኬድካ ንኣከኣብ፡ ‘ዝናም ከይዓግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ!’ በሎ።” 45 ሽዑ፡ እቲ ሰማይ ብደበና ጸልመተ፡ ንፋስ ከኣ ነፈሰ፡ ብርቱዕ ዝናም እውን ኰነ፣+ ኣከኣብ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ደዪቡ፡ ናብ ይዝርኤል ከደ።+ 46 ኢድ የሆዋ ግና ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ኰነት፣ ክዳኑ ናብ ሕቘኡ ሰብሲቡ* ኸኣ፡ ክሳብ ይዝርኤል ቀቅድሚ ኣከኣብ ጐየየ። 19 ኣከኣብ+ ከኣ ኵሉ እቲ ኤልያስ ዝገበሮን ንዅሎም ነብያት ብሰይፊ ኸም ዝቐተሎምን+ ንኢዛቤል+ ነገራ። 2 ሽዑ፡ ኢዛቤል ናብ ኤልያስ ልኡኽ ልኢኻ፡ “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ንዓኻ ኸም ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረካስ፡* ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኹሉ” በለት። 3 ንሱ ድማ ፈርሀ፡ ምእንቲ ህይወቱ* ኸኣ ተንሲኡ ሃደመ።+ ናብ ብኤር-ሸባዕ+ ናይ ይሁዳ+ ድማ መጸ፣ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሓደጎ። 4 መገዲ መዓልቲ ናብ በረኻ ኸይዱ ድማ ናብ ትሕቲ ቘጥቋጥ ሮተም መጺኡ ኾፍ በለ። “ኦ የሆዋ፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ይኣኽለኒ፡ ሕጅስ ንህይወተይ* ኣጥፍኣያ”+ ኢሉ ኸኣ ኪመውት* ለመነ። 5 ኣብ ትሕቲ እቲ ቘጥቋጥ ሮተም ድማ በጥ ኢሉ ደቀሰ። ብሃንደበት ግና ሓደ መልኣኽ ተንክዩ፡+ “ተንሲእካ ብላዕ” በሎ።+ 6 ምስ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ ኣብ ትርኣሱ፡ ቅጫ ኣብ ርሱን ኣእማን፡ ማይ እውን ኣብ ኳዳ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። 7 እቲ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ካልኣይ ሳዕ ተንክዩ፡ “መገዲ ኺነውሓካ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ብላዕ” በሎ። 8 ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዐን ሰተየን፣ ብሓይሊ እቲ ብልዒ ኸኣ ክሳብ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡+ 40 መዓልትን 40 ለይትን ተጓዕዘ። 9 ኣብኡ ድማ ናብ በዓቲ ኣተወ፡+ ኣብኡ እውን ሓደረ፣ እንሆ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ ናብኡ መጺኡ፡ “ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧” በሎ። 10 ንሱ ኸኣ፡ “ህዝቢ እስራኤል ኪዳንካ ሓዲጎም፡+ መሰውኢታትካ ኸኣ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካ እውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም እሞ፡+ ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ኣዝየ ቐኒአ፣+ ኣነ በይነይ ከኣ እየ ተሪፈ። ሕጂ ድማ ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።+ 11 ንሱ ኸኣ፡ “ውጻእ እሞ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በል” በለ። እንሆ ድማ፡ የሆዋ ይሓልፍ ነበረ፣+ ቀቅድሚ የሆዋ ኸኣ ብርቱዕን ሓያልን ንፋስ፡ ኣኽራን ይጨድድን ኣኻውሕ ይሰብርን ነበረ፣+ የሆዋ ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ድማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣+ የሆዋ ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን። 12 ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሓዊ ዀነ፣+ የሆዋ ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ሓዊ ድማ ህዱእ ትሑት ደሃይ ኰነ።+ 13 ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፣+ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። ሓደ ድምጺ ድማ፡ “ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 14 ንሱ ኸኣ፡ “ህዝቢ እስራኤል ኪዳንካ ሓዲጎም፡+ መሰውኢታትካ ኸኣ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካ እውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ኣዝየ ቐኒአ፣ ኣነ በይነይ ከኣ እየ ተሪፈ። ሕጂ ድማ ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።+ 15 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ተመሊስካ ናብ በረኻ ደማስቆ ኺድ። ኣብኡ ምስ በጻሕካ፡ ንሓዛኤል+ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮ። 16 ንየሁ+ ወዲ ወዱ ንኒምሺ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳእ* ወዲ ሻፋጥ ብዓል ኣቤል-መሖላ ኸኣ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ።+ 17 ነቲ ኻብ ሰይፊ ሓዛኤል ዜምልጥ፡+ የሁ ኪቐትሎ እዩ፣+ ነቲ ኻብ ሰይፊ የሁ ዜምልጥ እውን፡ ኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ።+ "18 ኣነ ድማ ኣብራኾም ንበዓል ዘይተምበርከኻሉን+ ኣፎም ዘይሰዓሞን+ ዘበሉ፡ ኣብ እስራኤል ገና 7,000 ንዓይ ኣትሪፈ ኣለኹ።”+ " 19 ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ቀቅድሚኡ 12 ጽምዲ ብዕራይ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኸቦ፡ ንሱ እውን ምስቲ መበል 12 ጽምዲ ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሓሊፉ ባርኖሱ+ ኣብ ልዕሊኡ ደርበየሉ። 20 ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሓዲጉ፡ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ “በጃኻ፡ ንኣቦይን ንኣደይን ክስዕሞም። ድሕሪኡ፡ ክስዕበካ እየ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኪድ ተመለስ፣ እንታይዶ ገይረካ እየ፧” ኢሉ መለሰሉ። 21 ንሱ ኸኣ ተመሊሱ፡ ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሰውኦም፣ በቲ ናውቲ ማሕረስ ገይሩ ነቲ ስጋ ኣብዑር ኣብሲሉ ድማ፡ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፡ በልዑ እውን። ድሕሪኡ፡ ተንሲኡ ንኤልያስ ሰዓቦ፡ የገልግሎ እውን ነበረ።+ 20 ቤን-ሃዳድ+ ንጉስ ሶርያ+ ድማ ብዘሎ ሰራዊቱ ኣኽተተ፣ ምስኡ ኸኣ 32 ነገስታትን ኣፍራስን ሰረገላታትን ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ+ ኸቢቡ ተዋግኣ።+ 2 ናብ ኣከኣብ+ ንጉስ እስራኤል፡ ናብታ ኸተማ ልኡኻት ልኢኹ ኸኣ፡ “ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል፦ 3 ‘ብሩርካን ወርቅኻን ናተይ እዩ፣ ዘዝጸበቓ ኣንስትኻን ዘዝጸበቑ ደቅኻን እውን ናተይ እዮም’” በሎ። 4 ንጉስ እስራኤል ድማ፡ “ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ቓልካ፡ ኣነን እቲ ዘሎኒ ዅሉን ናትካ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።+ 5 እቶም ልኡኻት ከኣ ተመሊሶም ከምዚ በሉ፦ “ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል፦ ‘“ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ክትህበኒ ኢኻ” ኢለ ልኢኸልካ ነይረ። 6 ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ግና ገላዎይ ናባኻ ኽሰድድ እየ፣ ንሳቶም ድማ ቤትካን ኣባይቲ ገላዉኻን ኣጸቢቖም ኪጕርጕሩ እዮም። ተባሃጊ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ሒዞም ኪወስዱ እዮም።’” 7 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ንዅሎም ዓበይቲ እታ ምድሪ ጸዊዑ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይሲ ኣይኣበኽዎን እሞ፡ ክፉእ ኬምጽኣልና ኣንቂዱ ኸም ዘሎ በጃኹም ፍለጡን ርኣዩን” በሎም። 8 ኵሎም እቶም ዓበይትን ኵሎም እቶም ህዝብን ድማ፡ “ኣይትተኣዘዞ፡ ሕራይ እውን ኣይትበሎ” በልዎ። 9 ንሱ ኸኣ ንልኡኻት ቤን-ሃዳድ፡ “ንጐይታይ ንጉስ፡ ‘ኵሉ እቲ ቕድም ንጊልያኻ ዝለኣኽካለይ፡ ክገብሮ እየ፣ እዚ ግና ክገብሮ ኣይክእልን እየ’ በልዎ” በሎም። እቶም ልኡኻት ድማ ከይዶም፡ እዚ ዘረባ እዚ መለሱሉ። 10 ቤን-ሃዳድ ከኣ፡ “ሓመድ ሰማርያ ንዅሉ እቲ ዚስዕበኒ ህዝቢ ዐዕማዅ እንተ ኣኺልዎስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኹሉ” ኢሉ ለኣኸሉ። 11 ንጉስ እስራኤል ድማ፡ “‘እቲ ኣጽዋር ዚዓጥቕ፡ ከምቲ ኣጽዋር ዚፈትሕ ገይሩ ኣይመካሕ’ በልዎ” ኢሉ መለሰ።+ 12 ንሱን እቶም ነገስታትን ኣብ ድንኳናቶም* ኪሰትዩ ኸለዉ፡ እዚ መልሲ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንገላዉኡ፡ “ንመጥቃዕቲ ተዳለዉ!” በሎም። ንሳቶም ከኣ ነታ ኸተማ ኼጥቅዕዋ ተዳለዉ። 13 ሓደ ነብዪ ድማ ናብ ኣከኣብ+ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነዚ ዅሉ ብዙሕ ህዝብስ ርኢኻዮዶ፧ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፣ ሽዑ፡ ኣነ የሆዋ ኸም ዝዀንኩ ኽትፈልጥ ኢኻ’” በሎ።+ 14 ኣከኣብ ከኣ፡ “ብመን፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብገላዉ እቶም መሳፍንቲ ኣውራጃታት’” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ነቲ ውግእከ መን ይጀምሮ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ” በሎ። "15 ሽዑ፡ ኣከኣብ ነቶም ገላዉ እቶም መሳፍንቲ ኣውራጃታት ቈጸሮም እሞ፡ 232 ኰኑ፣ ድሕሪኦም ከኣ ንዅሎም ህዝቢ፡ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ቈጸሮም፡ 7,000 ድማ ኰኑ።" 16 ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ቤን-ሃዳድ ኣብ ድንኳናት* ምስቶም ዚሕግዝዎ ዝነበሩ 32 ነገስታት ክሳዕ ዚሰክር ኪሰቲ ኸሎ፡ ወጹ። 17 እቶም ገላዉ መሳፍንቲ ኣውራጃታት ቅድም ምስ ወጹ፡ ቤን-ሃዳድ ልኡኻት ለኣኸ። ንሳቶም ድማ፡ “ሰባት ካብ ሰማርያ ይወጹ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። 18 ንሱ ኸኣ፡ “ንሰላም እንተ ወጺኦም፡ ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም፣ ንውግእ እንተ ወጺኦም እውን፡ ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም” በለ። 19 እዚኣቶም፡—እቶም ገላዉ መሳፍንቲ ኣውራጃታትን እቲ ዚስዕቦም ዝነበረ ሰራዊትን፡—ካብታ ኸተማ ምስ ወጹ ግና፡ 20 ነፍሲ ወከፍ ንመጻርርቱ ቐተለ። ሶርያውያን ድማ ሃደሙ፡+ እስራኤል እውን ሰጐጎም፣ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ ምስ ገለ ፈረሰኛታት ኰይኑ፡ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ ኣምለጠ። 21 ንጉስ እስራኤል ድማ ወጺኡ ንኣፍራስን ንሰረገላታትን ወቕዐ፣ ንሶርያውያን ከኣ ብብርቱዕ ስዕረት ሰዓሮም።* 22 እቲ ነብዪ+ ድማ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ “ኣብ መጀመርታ እትቕጽል ዓመት፡* ንጉስ ሶርያ ኣንጻርካ ኺድይብ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣበርትዕ፡+ እንታይ ከም እትገብር ከኣ ሕሰብ” በሎ።+ 23 ንንጉስ ሶርያ ድማ እቶም ገላዉኡ ኸምዚ በልዎ፦ “ኣምላኾም ኣምላኽ ኣኽራን እዩ። ስለዚ እዮም ዝሓየሉና። ግናኸ፡ ኣብ ጐልጐል እንተ ተዋጊእናዮም፡ ክንሕይሎም ኢና። 24 እዚ እውን ግበር፦ ንዅሎም እቶም ነገስታት+ ካብ ቦታኦም ኣልጊስካ ብሹማምንቲ ተክኣዮም። 25 ኣብ ክንዲ እቲ ዝጠፍኣካ ሰራዊት፡ ሰራዊት፡ ኣብ ክንዲ ፈረስ፡ ፈረስ፡ ኣብ ክንዲ ሰረገላ፡ ሰረገላ ኣክብ።* ኣብ ጐልጐል ድማ ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ከኣ ክንሕይሎም ኢና።” ንሱ ድማ ምኽሮም ሰሚዑ ኸምኡ ገበረ። 26 ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፡* ቤን-ሃዳድ ንሶርያውያን ኣከቦም፡ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከኣ ናብ ኣፌቅ+ ደየበ። 27 ህዝቢ እስራኤል እውን ተኣኪቦምን ስንቆም ሒዞምን ኪቀባበልዎ ኸዱ። ህዝቢ እስራኤል ድማ ክልተ ንኣሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም፡ ኣብ መንጽሮም ሰፈሩ፣ እቶም ሶርያውያን ግና ንብዘላ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ።+ 28 ሽዑ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሶርያውያን፡ “የሆዋ ኣምላኽ ኣኽራን እዩ እምበር፡ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኰነን” ስለ ዝበሉ፡ እዚ ዅሉ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ኸም ዝዀንኩ ኸኣ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም’”+ በሎ። "29 ኣብ መንጽር ሓድሕዶም ኰይኖም ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ሰፈሩ፣ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ውግእ ኰነ። ህዝቢ እስራኤል ድማ ካብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ 100,000 ኣጋር ተዋጋእቲ ቐተሉ።" "30 እቶም ዝተረፉ ኸኣ ናብ ኣፌቅ+ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ኣብቶም ዝተረፉ 27,000 ሰብ ግና፡ መካበብያ ወደቖም። ቤን-ሃዳድ እውን ሃዲሙ ናብታ ኸተማ መጸ፡ ኣብ ውሻጠ ድማ ተሓብአ። " 31 ገላዉኡ ኸኣ፡ “እንሆ፡ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል መሓርቲ ነገስታት* ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። በጃኻ፡ ኣብ ሕቘና ማቕ ተዓጢቕና፡ ኣብ ርእስና ድማ ገመድ ጌርና ናብ ንጉስ እስራኤል ንውጻእ። ምናልባት ንህይወትካ* ይንሕፋ ይኸውን” በልዎ።+ 32 ሽዑ፡ ማቕ ኣብ ሕቘኦም ተዓጢቖም፡ ገመድ ከኣ ኣብ ርእሶም ገይሮም፡ ናብ ንጉስ እስራኤል መጹ እሞ፡ “ጊልያኻ ቤን-ሃዳድ፡ ‘በጃኻ፡ ብህይወት ሕደገኒ’* ይብል ኣሎ” በሉ። ንሱ ድማ፡ “ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ፧ ንሱ ሓወይ እዩ” ኢሉ መለሰ። 33 እቶም ሰባት ከኣ ነዚ ኸም ፋል ገይሮም ወሲዶም፡ ነቲ ቓሉ ኸም ዘለዎ ተቐቢሎም፡ “ቤን-ሃዳድ ሓውካ እዩ” በሉ። ንሱ ድማ፡ “ኪዱ ኣምጽእዎ” በለ። ቤን-ሃዳድ ከኣ ናብኡ ወጸ፣ ንሱ ኸኣ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ። 34 ቤን-ሃዳድ ድማ፡ “እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ዝወሰደን ከተማታት ክመልሰልካ እየ፣ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ዝገበሮ ኸኣ፡ ንስኻ ኣብ ደማስቆ ንዓኻ ዕዳጋታት* ክትገብር ትኽእል ኢኻ” በሎ። ኣከኣብ ከኣ፡ “ብመሰረት እዚ ስምምዕ* እዚ፡ ክሰድደካ እየ” ኢሉ መለሰሉ። ምስኡ ስምምዕ ገይሩ ድማ ሰደዶ። 35 ሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት*+ ከኣ ብቓል የሆዋ ንብጻዩ፡ “በጃኻ ውቕዓኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ምውቃዑ ኣበየ። 36 ንሱ ድማ፡ “ቃል የሆዋ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ካባይ ምስ ከድካ፡ ኣንበሳ ኪቐትለካ እዩ” በሎ። ንሱ ኻብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣንበሳ ረኺቡ ቐተሎ። 37 ንሱ ድማ ካልእ ሰብኣይ ረኺቡ፡ “በጃኻ ውቕዓኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ወቒዑ ኣቝሰሎ። 38 እቲ ነብዪ ድማ ከይዱ፡ ኣዒንቱ ብመዘነኒ ብምሽፋን ትርኢቱ ለዊጡ፡ ንንጉስ ኣብ ጥቓ መገዲ ተጸበዮ። 39 ንጉስ ኪሓልፍ ከሎ ኸኣ፡ ንሱ ናብ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ጠርዐ፦ “ጊልያኻ ናብ ጽዕጹዕ ውግእ ኣትዩ፣ ሓደ ሰብኣይ ኣልጊሱ ድማ፡ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ሓልዎ። እንተ ጠፊኡ፡ ኣብ ክንዲ ህይወቱ፡ ህይወትካ* ኽትከውን እያ፡+ ወይ ሓደ ታለንት* ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ ኢሉኒ። 40 ጊልያኻ ኣብዝን ኣብትን እናበለ ኺዓዪ ኸሎ፡ ብሃንደበት እቲ ሰብኣይ ጠፊኡ።” ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ “ፍርድኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ፣ ባዕልኻ ወሲንካዮ ኢኻ” በሎ። 41 ሽዑ፡ ንሱ ነቲ መዘነኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣልገሶ፣ ንጉስ እስራኤል ድማ ንሱ ሓደ ኻብ ነብያት ከም ዝዀነ ኣለለዮ።+ 42 ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ኺጠፍእ ዝበልክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፡+ ኣብ ክንዲ ህይወቱ፡ ህይወትካ፡*+ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ድማ ህዝብኻ ይኹን’”+ በሎ። 43 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ኰርዩን ጕህዩን ናብ ቤቱ ናብ ሰማርያ+ ኸደ። 3 ሰሎሞን ድማ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዋሰበ። ንጓል ፈርኦን ተመርዓዋ* እሞ፡+ ቤቱን ቤት የሆዋን ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዚርከብ መካበብያን ሃኒጹ ኽሳዕ ዚውድእ፡+ ናብ ከተማ ዳዊት ኣእተዋ።+ 2 ግናኸ፡ ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ ንስም የሆዋ ቤት ኣይተሃንጸትን ነበረት እሞ፡+ እቶም ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውኡ ነበሩ።+ 3 ሰሎሞን ድማ ብሕግታት ኣቦኡ ዳዊት ብምምልላስ፡ ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ፣ ሓንትስ ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+ "4 ጊብዖን ምርእይቲ* በራኽ ነበረት እሞ፡ ንጉስ ኪስውእ ናብኣ ኸደ።+ ሰሎሞን ከኣ ኣብቲ መሰውኢ እቲ፡ 1,000 ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረበ።+" 5 ኣብ ጊብዖን ድማ የሆዋ ንሰሎሞን ለይቲ ብሕልሚ ተራእዮ። ኣምላኽ ከኣ፡ “እንታይ ክህበካ ኸም እትደሊ ለምን” በሎ።+ 6 ሰሎሞን ድማ ከምዚ በለ፦ “ንስኻ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብጽድቅን ብቕንዕና ልብን እተመላለሰ፡ ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ ኢኻ። ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ወዲ ብምሃብ ከኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ ኢኻ።+ 7 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ መንእሰይን* ዘይምኩርን* ክነሰይ፡+ ንጊልያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንጊስካዮ ኢኻ። 8 ጊልያኻ ኸኣ ኣብ መንጎ እዚ ዝሓረኻዮ ህዝብኻ፡+ ኣብ መንጎ እዚ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ዘይቍጸርን ዘይጽብጸብን ህዝቢ እዩ ዘሎ። 9 ነዚ ብዙሕ* ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧ ስለዚ፡ ንጊልያኻ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ+ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡+ እዙዝ ልቢ ሃቦ።” 10 ሰሎሞን እዚ ነገር እዚ ምልማኑ፡ ንየሆዋ ባህ ኣበሎ።+ 11 ኣምላኽ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እዚ ነገር እዚ ስለ ዝለመንካ፡ ንርእስኻ ነዊሕ ዕድመ* ወይ ሃብቲ ወይ ሞት ጸላእትኻ* ስለ ዘይለመንካ፡ የግዳስ፡ ፍርዳዊ ጕዳይ ንምስማዕ ኣእምሮ ስለ ዝለመንካ፡+ 12 ከምቲ ዝለመንካዮ ኽገብረልካ እየ።+ ጥበበኛን ዚርዳእን ልቢ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ከምቲ ብቕድሜኻ ኸማኻ ዝበለ ዘይነበረ፡ ብድሕሬኻ እውን ከማኻ ዝበለ ደጊም ኣይኪህሉን እዩ።+ 13 ብተወሳኺ ድማ፡ ዘይለመንካዮ ሃብትን ክብርን ክህበካ እየ እሞ፡+ ብዅሉ ዘመንካ* ኸማኻ ዝበለ ኻልእ ንጉስ ኣይኪህሉን እዩ።+ 14 ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ኸኣ፡+ ስርዓታተይን ትእዛዛተይን ብምሕላው ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ዕድሜኻ* ኸንውሕ እየ።”+ 15 ሰሎሞን ምስ ተበራበረ፡ ሕልሚ ምንባሩ ፈለጠ። ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን የሆዋ ደው በለ፣ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን+ እውን ኣቕረበ፣ ንዅሎም ገላዉኡ ድማ ድግስ ገበረሎም። 16 ሽዑ፡ ክልተ ኣመናዝር ናብ ንጉስ መጺአን፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ። 17 እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ኸምዚ በለት፦ “በጃኻ ጐይታይ፡ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር፣ ንሳ ኣብታ ቤት ከላ ኸኣ፡ ኣነ ወሊደ። 18 ኣብ ሳልስቲ እታ ዝወለድኩላ መዓልቲ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ እውን ወሊዳ። ብሓንሳእ ድማ ኔርና፣ ብዘይካ ኽልቴና፡ ኣብታ ቤት ካልእ ምሳና ኣይነበረን። 19 ለይቲ፡ ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት፡ ሞይቱ። 20 ፍርቂ ለይቲ ተንሲኣ ኸኣ፡ ግዝእትኻ ደቂሳ ኸላ፡ ወደይ ካብ ጐድነይ ወሲዳ፡ ኣብ ሕቝፋ ኣደቂሳቶ፣ ነቲ ምዉት ወዲ ግና ኣብ ሕቝፈይ ኣደቂሳቶ። 21 ንግሆ ንወደይ ከጥብዎ ኢለ ምስ ተንሳእኩ፡ ሞይቱ ጸኒሑኒ። ንግሆ ኣጸቢቐ እንተ መርመርክዎ፡ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ዘይምዃኑ ርእየ።” 22 እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ኣይፋልን፡ እቲ ህያውሲ ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ” በለት። እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ኣይፋልን፡ እቲ ምዉት ደኣ ወድኺ እዩ፡ እቲ ህያው ግና ወደይ እዩ” በለት። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተማጐታ። 23 ሽዑ፡ ንጉስ፡ “እዚኣ፡ ‘እዚ ህያው ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ድማ ወድኺ እዩ’ ትብል ኣላ፣ እቲኣ ኸኣ፡ ‘ኣይፋልን፡ እቲ ምዉት ደኣ ወድኺ እዩ፡ እቲ ህያው ግና ወደይ እዩ’ ትብል ኣላ” በለ። 24 ንጉስ ድማ፡ “ሰይፊ ኣምጽኡለይ” በለ። ናብ ንጉስ ከኣ ሰይፊ ኣምጽኡ። 25 ንጉስ ድማ፡ “ነቲ ህያው ሕጻን ኣብ ክልተ ቘሪጽኩም፡ ፍርቁ ነዛ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ፍርቁ ድማ ነታ ሓንቲ ሃብወን” በለ። 26 ሽዑ፡ እታ ወዳ ህያው ዝዀነ ሰበይቲ ንወዳ ስለ ዝራሕርሐትሉ፡ ንንጉስ፡ “በጃኻ ጐይታይ፡ እቲ ህያው ሕጻን ንዓኣ ሃብዋ እምበር፡ ፈጺምኩም ኣይትቕተልዎ” ኢላ ለመነቶ። እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ንዓይ ወይ ንዓኺ ኣይኹን። ይቝረጽዎ ደኣ” በለት። 27 ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ንሳ ኣዲኡ እያ እሞ፡ ነቲ ህያው ሕጻን ነዛ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ሃብዋ። ፈጺምኩም ኣይትቕተልዎ” ኢሉ መለሰ። 28 ኵሎም እስራኤል ድማ ነቲ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ሰምዑ፣ ፍትሒ ንምውጻእ ጥበብ ኣምላኽ ምስኡ ኸም ዘሎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡+ ንንጉስ ኣኽበርዎ።*+ 7 ሰሎሞን ድማ ንቤቱ* ንምህናጽ፡ ብዘላ ቤቱ ኽሳዕ እትውዳእ፡+ 13 ዓመት ወሰደሉ።+ 2 ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕኑድ ቄድሮስ ከኣ 100 እመት* ዝንውሓታን 50 እመት ዝግፍሓን 30 እመት ዝቝመታን ቤት ዱር ሊባኖስ ሃነጸ፣+ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕኑድ ድማ ኣግማል ቄድሮስ ነበረ።+ 3 ንሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣዕኑድ እተጋደመ ዓንደ ኣግማል ብቄድሮስ እተረብበት ነበረት፣ ንሱ ድማ 45፡ ኣብ መመስርዕ 15 ነበረ። 4 እቲ መቓን ዘለዎ መሳዅቲ ብሰለስተ መስርዕ ነበረ፣ ብሰለስተ ተርታ ድማ ኣብ መንጽር መመስኰት ካልእ መስኰት ነበረ። 5 ኵሉ እቲ ኣፍ ደገታትን ልዳውትን ትርብዒታዊ* መቓን ነበረ፣ እቲ ብሰለስተ ተርታ ኣብ መንጽር ሓድሕዱ ዘሎ ቕድሚት ሸነኽ መሳዅቲ ኸኣ ከምኡ ነበረ። 6 ብዘይካዚ፡ 50 እመት ዝንውሓቱን 30 እመት ዝግፍሑን ኣዳራሽ* ኣዕኑድ ሃነጸ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ኣዕኑድን ጽላልን ዘለዎ ገበላ ነበረ። 7 ዚፈርደሉ ኣዳራሽ* ዝፋን፡+—ኣዳራሽ ፍርዲ፡+—እውን ሃነጸ፣ ካብ ባይታ ኽሳብ ሰርወታት ከኣ ብቄድሮስ ረበብዎ። 8 እታ ኣብ ካልእ ኣጸድ+ ዘላ ዚነብረላ ቤቱ* ኸኣ ካብቲ ኣዳራሽ* እተፈልየት ኰይና፡ ስርሓታ ተመሳሳሊ ነበረ። ሰሎሞን ነታ ሰበይቱ ኽትከውን ዘእተዋ ጓል ፈርኦን እውን፡ ከምዚ ኣዳራሽ እዚ ዝበለት ቤት ሃነጸላ።+ 9 እዚ ዅሉ ድማ ካብ መሰረት ክሳብ እቲ ላዕለዋይ ወሰን፡ ብወጻኢ ኸኣ ክሳብ እቲ ዓብዪ ኣጸድ፡+ ብውሽጥን ብግዳምን ብልክዕ ብእተወቕረ፡ ብመጋዝ እምኒ ብእተቘርጸ ኽቡራት ኣእማን ተሰርሐ።+ 10 እቲ መሰረት ከኣ ብኣዝዩ ዓበይቲ ኽቡራት ኣእማን ተሰረተ፣ ገሊኡ ኣእማን ዓሰርተ እመት፡ ገሊኡ ድማ ሸሞንተ እመት ዝዓቐኑ ነበረ። 11 ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ፡ ብልክዕ እተወቕረ ኽቡራት ኣእማንን ቄድሮስን ነበረ። 12 ኣብ ዙርያ እቲ ዓብዪ ኣጸድ ድማ፡ ከምቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ+ ቤት የሆዋን ገበላ እታ ቤትን+ ዝበለ መስርዕ ውቑር ኣእማንን መስርዕ ኣግማል ቄድሮስን ነበረ። 13 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ልኢኹ ንሒራም+ ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ። 14 ንሱ ወዲ ሓንቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ዝዀነት መበለት ነበረ፣ ኣቦኡ ድማ ጢሮሳዊ ኣንጠረኛ ነሓሲ* ነበረ።+ ንሱ ኸኣ ኵሉ ዓይነት ዕዮ ነሓሲ ብምዕያይ ብዙሕ ክእለትን ኣእምሮን+ ተመክሮን ነበሮ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ድማ፡ ኵሉ ዕዮኡ ገበረሉ። 15 ንሱ ኸኣ ክልተ ኣዕኑድ ነሓሲ ብፍሲ ሰርሐ፣+ ነናይ ሓደ ዓንዲ ቝመት 18 እመት ነበረ፣ ዙርያ ሓደ ኻብቲ ኽልተ ዓንዲ ምስ ተለክዐ ድማ፡ 12 እመት ዝንውሓቱ ገመድ ኰነ።+ 16 ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ኪንበር ከኣ ክልተ ርእሲ ዓንዲ ብፍሲ ገበረ። ሓደ ርእሲ ዓንዲ፡ ሓሙሽተ እመት ዝቝመቱ፡ እቲ ሓደ ርእሲ ዓንዲ እውን ሓሙሽተ እመት ዝቝመቱ ነበረ። 17 እቲ ኣብ ረርእሲ እቲ ኣዕኑድ ዝነበረ ርእሲ ዓንዲ፡ ከም መንፊት ዝበለ መርበብን እተተንገ ሰንሰለትን ነበሮ፣+ ነቲ ሓደ ርእሲ ዓንዲ ሸውዓተ፡ ነቲ ሓደ ርእሲ ዓንዲ እውን ሸውዓተ ነበሮ። 18 ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ዘሎ ኣራእስ ዓንዲ ኪኸድን ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ መርበብ ክልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፣ ንኽልቲኡ ኣራእስ ዓንዲ ኸምኡ ገበረ። 19 እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ገበላ ዘሎ ኣዕኑድ ዚርከብ ኣራእስ ዓንዲ ኸኣ፡ ከም ዕምባባ ሹሻን ይመስል ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ። 20 እቲ ኣራእስ ዓንዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ዓንዲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስቲ መርበብ እተጸግዐ ኸቢብ ክፋል ነበረ፣ ኣብ ዙርያ ረርእሲ ዓንዲ ኸኣ በብመስርዕ 200 ሮማን ነበረ።+ 21 ነቲ ኣዕኑድ እቲ ገበላ ቤተ መቕደስ* ድማ ኣቘሞ።+ ነቲ የማናይ* ዓንዲ ኣቚሙ ኸኣ፡ ያኪን* ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ ጸጋማይ* ዓንዲ ኣቚሙ ድማ፡ ቦኣዝ* ኢሉ ሰመዮ።+ 22 ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዚመስል ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ዕዮ እቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ። 23 ናይ ፍሲ ባሕሪ* ኸኣ ገበረ።+ ንሱ ድማ ከቢብ ዝቕርጹ ዀይኑ፡ ካብ ሓደ ወሰን ኣፉ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ኣፉ 10 እመት፡ ቍመቱ ኸኣ 5 እመት፡ ዙርያኡ ምስ ተለክዐ ድማ፡ 30 እመት ዝንውሓቱ ገመድ ኰነ።+ 24 ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ኣፉ ኸኣ ብዙርያኡ ኣብ እመት ዓሰርተ ሓምሓም ዝቕርጹ ስልማት+ ኰይኑ ኣብ ዙርያ እቲ ባሕሪ ነበረ፣ እቲ ሓምሓማት ድማ ክልተ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ብፍሲ እተሰርሐ ነበረ። 25 ኣብ ልዕሊ 12 ብዕራይ ከኣ ተነብረ፣+ 3 ናብ ሰሜን ገጾም፡ 3 ናብ ምዕራብ ገጾም፡ 3 ናብ ደቡብ ገጾም፡ 3 ድማ ናብ ምብራቕ ገጾም ገይሮም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ተነብረ፣ ናይ ኵላቶም ድሕሪት ድማ ናብ ማእከል ኣቢሉ ነበረ። "26 ርጕዱ ኸኣ ክንዲ ስፍሓት ኢድ* ነበረ፣ እቲ ኣፉ ድማ ከም ኣፍ ጽዋእ ኰይኑ፡ ከም ዕምባባ ሹሻን ተገብረ። 2,000 ባት* ከኣ ይሕዝ ነበረ። " 27 ዓሰርተ ዓረብያ* ነሓሲ ድማ ገበረ።+ ሓሓደ ዓረብያ ኣርባዕተ እመት ዝንውሓቱን ኣርባዕተ እመት ዝግፍሑን ሰለስተ እመት ዝቝመቱን ነበረ። 28 ስርሓት እቲ ዓረብያታት ከኣ ከምዚ ነበረ፦ መጋረዲታት ጐድኒ ነበሮ፡ እቲ መጋረዲታት ጐድኒ ድማ ኣብ መንጎ እተመሰቓቐለ ዘንግታት ነበረ። 29 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ እተመሰቓቐለ ዘንግታት ዝነበረ መጋረዲታት ጐድኒ ኸኣ፡ ኣናብስን+ ኣብዑርን ኪሩቤልን+ ነበሩ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ እተመሰቓቐለ ዘንግታት ድማ ከምኡ ስልማት ነበረ። ብልዕልን ብትሕትን እቲ ኣናብስን ኣብዑርን ከኣ እተተንገ ቕርጺ ነበረ። 30 ነንሓደ ዓረብያ ድማ ኣርባዕተ መንኰርኰር ነሓስን መቐለሳት ነሓስን ነበሮ፣ እቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ዘሎ መዋቕር ከኣ ንዕኡ መደገፊኡ ነበረ። እቲ መደገፊ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ እውን ነበረ፣ ምስኡ እተተንገ ፍሲ ድማ ኣብ ጐጐድኑ ነበረ። 31 ኣፉ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓንኬላዊ መደገፊ ዀይኑ፡ ሓደ እመት ንላዕሊ ይነውሕ ነበረ፣ ኣፉ ድማ ከቢብ ኰይኑ፡ ናይ ሓደ እመትን ፈረቓን ዚኸውን ኣጋሮ ነበረ፣ ኣብቲ ኣፉ ኸኣ ቅርጽታት ነበረ። እቲ መጋረዲታት ጐድኒ ትርብዒት ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን። 32 ኣብ ትሕቲ እቲ መጋረዲታት ጐድኒ ድማ ኣርባዕተ መንኰርኰር ነበረ፣ እቲ መደገፊ መንኰራዅር ከኣ ምስቲ ዓረብያ ለጊቡ ነበረ፣ ቍመት ሓሓደ መንኰርኰር እውን ሓደ እመትን ፈረቓን ነበረ። 33 ስርሓት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም ስርሓት መንኰራዅር ሰረገላ ነበረ። መደገፊኡን ዕንክሊሉን ዘንግታቱን ሕምብርቱን ኵሉ ፍሲ ነበረ። 34 ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኵሉ ዓረብያ ኣርባዕተ መደገፊ ነበረ፣ እቲ መደገፊኡ ኸኣ ምስቲ ዓረብያ ብሓደ ብፍሲ እተገብረ ነበረ። 35 ኣብ ርእሲ እቲ ዓረብያ ድማ ፍርቂ እመት ዝቝመቱ ኸቢብ መጥመሪ ነበረ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ዓረብያ ኸኣ፡ መቓናቱን መጋረዲ ጐድንታቱን ብፍሲ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ነበረ። 36 ኣብ ገጽ እቲ መቓናቱን መጋረዲ ጐድንታቱን ድማ ከከም ዘለዎ ቦታ ኪሩቤልን ኣናብስን ኣእዋም ስየን፡ ኣብ ዙርያኡ እውን ትንጎ ቐረጸሉ።+ 37 ነቲ ዓሰርተ ዓረብያ በዚ ኸምዚ ሰርሖ፣+ ኵሉ ብሕደ ፍሲ እተሰርሐ፡+ ሕደ ዝዓቐኑን ሕደ ዝቕርጹን ነበረ። 38 ዓሰርተ ገበራ ነሓሲ ኸኣ ሰርሐ፣+ ሓሓደ ገበራ 40 ባት ኪሕዝ ይኽእል ነበረ። ሓሓደ ገበራ ኣርባዕተ እመት ዝዓቐኑ* ነበረ። ነቲ ዓሰርተ ዓረብያ፡ ነንሓደ ዓረብያ ሓደ ገበራ ነበሮ። 39 ድሕርዚ፡ ሓሙሽተ ዓረብያ ብሸነኽ የማን እታ ቤት፡ ሓሙሽተ ድማ ብሸነኽ ጸጋም እታ ቤት ኣንበረ፣ ነቲ ባሕሪ ኸኣ ብሸነኽ የማን እታ ቤት፡ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቢሉ ኣንበሮ።+ 40 ሒራም+ ድማ ገበራታትን መጽሓሪታትን+ ጭሔሎታትን+ ገበረ። በዚ ኸምዚ፡ ሒራም ንዅሉ እቲ ንንጉስ ሰሎሞን ኣብ ቤት የሆዋ ዝሰርሓሉ ስራሕ ፈጸሞ፣+ 41 ማለት ነቲ ኽልተ ዓንድን+ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኣራእስ ዓንድን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኽልተ ርእሲ ዓንዲ+ ዚኸድን ክልተ መርበብ፡ 42 ነቲ ንኽልተ መርበብ ዚኸውን 400 ሮማን፡+ ነንሓደ መርበብ ዚኸውን ክልተ መስርዕ ሮማናት፡ ነቲ ኣብቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኽልተ ርእሲ ዓንዲ ዚኸውን መኽደኒ፡ 43 ነቲ ዓሰርተ ዓረብያን+ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓረብያታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡+ 44 ነቲ ባሕርን+ ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ 12 ብዕራይን፡ 45 ነቲ ድስትታትን ነቲ መጽሓሪታትን ነቲ ጭሔሎታትን ፈጸሞ። ሒራም ንዅሉ እዚ ኣቕሑ እዚ ንንጉስ ሰሎሞን፡ ንቤት የሆዋ፡ ካብ እተዀልዐ ነሓሲ ሰርሓሉ። 46 እቲ ንጉስ ኣብ ከባቢ ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኮትን ጻሬታንን፡ ኣብ ቅርጺ ኻይላ ኣፍሰሶ። 47 ሰሎሞን ድማ ንዅሉ እቲ ኣቕሑ ኣዝዩ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ኸይመዘነ ገደፎ። ሚዛን እቲ ነሓሲ ኸኣ ኣይተፈልጠን።+ 48 ሰሎሞን ድማ ንዅሉ እቲ ንቤት የሆዋ ዚኸውን ኣቕሑ ሰርሖ፣ ማለት ነቲ መሰውኢ+ ወርቂ፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቂ፡+ 49 ነቲ ኣብ ቅድሚ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ሓሙሽተ ብየማን ሓሙሽተ ብጸጋም ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐወምቲ ቐነዲል፡+ ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ዕምባባታትን+ ቀነዲልን መንቀርቀራት መጥፍእን፡+ 50 ነቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ገበራታትን መቐዛት መጥፍእን+ ጭሔሎታትን ጽዋኣትን+ መትሓዚታት ሓውን፡+ ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ንመዓጹ እታ ውሽጣዊት ቤት፡+ ማለት ቅድስተ ቕዱሳን፡ ዚኸውንን ንመዓጹ እታ ቤተ መቕደስ ዚኸውንን መሰኵዒ ሰርሖ።+ 51 በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት የሆዋ ዝዓየዮ ዅሉ ዕዮ ወድአ። ሰሎሞን ድማ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐደሶ ኣምጽኦ፣+ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቕሑን ከኣ ኣብ መዛግብቲ ቤት የሆዋ ኣንበሮ።+ 12 ኵሉ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም+ መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ናብ ሴኬም ከደ።+ 2 የሮብዓም ወዲ ናባጥ ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ (ንሱስ ብሰንኪ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ስለ ዝነበረ፡ ገና ኣብ ግብጺ እዩ ነይሩ እሞ፡)+ 3 ልኢኾም ጸውዕዎ። ድሕሪኡ፡ የሮብዓምን ኵሉ ጉባኤ እስራኤልን ናብ ሮብዓም መጺኦም፡ 4 “ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርቲዑልና።+ ግናኸ፡ ነቲ ብርቱዕ መግዛእቲ ኣቦኻ እንተ ኣቕሊልካልና፡ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ኸቢድ* ኣርዑት ድማ እንተ ኣፍኲስካልና፡ ክንግዝኣካ ኢና” በልዎ። 5 ንሱ ኸኣ፡ “ንሰለስተ መዓልቲ ኺዱ እሞ፡ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ከዱ።+ 6 ንጉስ ሮብዓም ከኣ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ብዛዕባ ዝምልሰሎም ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧” ኢሉ ተማኸረ። 7 ንሳቶም ድማ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ሎሚ ጊልያ እንተ ዄንካዮምን ልማኖኦም እንተ ተቐቢልካን ጽቡቕ ምላሽ እንተ ሂብካዮምን፡ ንሳቶም ወትሩ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም” ኢሎም መለሱሉ። 8 ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ኣጕባዝ ተማኸረ።+ 9 ንዓታቶም ድማ፡ “ነዞም፡ ‘ነቲ ኣቦኻ ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ኣርዑት ኣፍኵሰልና’ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም ብዛዕባ እንምልሰሎም ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። 10 እቶም ምስኡ ዝዓበዩ ኣጕባዝ ከኣ፡ “ነዞም፡ ‘ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና፣ ንስኻ ግና ኣፍኵሰልና’ ዝበሉኻ ህዝቢ እዚኦም፡ ከምዚ በሎም፣ ከምዚ ድማ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ሕንጥሊተይ እኳ ኻብ ሕቘ ኣቦይ ክትረጕድ እያ። 11 ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጽዒኑኩም፣ ኣነ ኸኣ ንኣርዑትኩም ክውስኸሉ እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ’ በሎም” በልዎ። 12 ከምቲ ንጉስ፡ “ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ዝበሎም፡ የሮብዓምን ኵሎም እቶም ህዝብን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ።+ 13 ንጉስ ድማ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፡ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም። 14 “ኣቦይ ኣርዑት ኣኽቢዱልኩም፣ ኣነ ኸኣ ንኣርዑትኩም ክውስኸሉ እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ድማ ከም ምኽሪ እቶም ኣጕባዝ ገይሩ ተዛረቦም። 15 እቲ የሆዋ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ እቲ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡+ እዚ ነገር እዚ ኻብ የሆዋ ነበረ እሞ፡+ እቲ ንጉስ ነቶም ህዝቢ ኣይሰምዖምን። 16 ኵሎም እስራኤል፡ ንጉስ ምስማዕ ከም ዝኣበዮም ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ “ኣብ ዳዊት እንታይ ግደ ኣሎና፧ ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል፡ ነናብ ኣማልኽትኻ። ኦ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሓሉ” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ፡ እስራኤል ነናብ ቤቱ* ተመልሰ።+ 17 ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነገሰ።+ 18 ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፣+ ኵሎም እስራኤል ግና ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ንጉስ ሮብዓም ከኣ ናብ የሩሳሌም ኪሃድም ኢሉ ዝገበረ ገይሩ ናብ ሰረገላኡ ደየበ።+ 19 እስራኤላውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ቤት ዳዊት ዓልዮም ኣለዉ።+ 20 ኵሎም እስራኤል፡ የሮብዓም ከም እተመልሰ ምስ ሰምዑ፡ ልኢኾም ናብቲ ኣኼባ ጸውዕዎ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣንገስዎ።+ ብዘይካ ነገድ ይሁዳ፡ ካብቲ ህዝቢ ንቤት ዳዊት ዝሰዓባ ኣይነበረን።+ "21 ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ፡ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነቲ ንግስነት ናብ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ኪመልስዎ ኢሉ፡ ብኡብኡ ንዅላ ቤት ይሁዳን ንነገድ ብንያምን፡ 180,000 ዕሉማት* ተዋጋእቲ ኣኽተተ።+" 22 ግናኸ፡ ሸማዕያ+ ናብ ዚብሃል ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መጸ፦ 23 “ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ንጉስ ይሁዳን ንዅላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዚ በሎም፦ 24 ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ ኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ክትዋግኡ ኣይትደይቡ። እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ።”’”+ ንሳቶም ከኣ ቃል የሆዋ ተኣዚዞም፡ ከምቲ የሆዋ ዝነገሮም ናብ ቤቶም ተመልሱ። 25 የሮብዓም ድማ ንሴኬም+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ሰርሓ፡* ኣብኣ እውን ተቐመጠ። ካብኣ ወጺኡ ኸኣ፡ ንጰኑኤል ሰርሓ።*+ 26 የሮብዓም ድማ ብልቡ፡ “ሕጂ እዛ መንግስቲ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ።+ 27 እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት የሆዋ ኣብ የሩሳሌም መስዋእቲ ኺስውእ ዚድይብ እንተ ዀይኑ፡+ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም፡ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለስ እዩ። ቀቲሎምኒ ኸኣ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም” በለ። 28 ንጉስ ድማ ምስ መኸረ፡ ክልተ ምራኽ ወርቂ ገበረ+ እሞ ነቶም ህዝቢ፡ “ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ። ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበካ ኣምላኽካ እንሆልካ” በሎም።+ 29 ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል+ ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን+ ገበሮ። 30 እዚ ድማ ኣሕጥኦም፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ሓደ ኺሰግደሉ ኽሳብ ዳን ይኸይድ ነበረ። 31 ኣብ በረኽቲ ድማ ኣባይቲ ኣምልኾ ሰርሐ፣ ካብ ሌዋውያን ዘይኰኑ ኻብ ማንም ህዝቢ ኸኣ ካህናት ሸመ።+ 32 የሮብዓም ድማ ኣብ ሻምነይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር በዓል ዝኣመሰለ በዓል ኣቘመ።+ ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ መሰውኢ ኸኣ፡+ ነቶም ዝገበሮም ምራኹት ሰውኣሎም፣ ኣብ ቤት-ኤል ድማ ነቲ ዝገበሮ በረኽቲ፡ ካህናት መደበ። 33 ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ መሰውኢ ኸኣ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻምነይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ባዕሉ ዝመደባ ወርሒ ሰውአ። ንህዝቢ እስራኤል ድማ በዓል ኣቘመሎም፣ ኪስውእን ኪዓጥንን ከኣ ናብቲ መሰውኢ ደየበ። 1 ንጉስ ዳዊት ኣሪጉ፡+ ብዕድመ* እውን ደፊኡ ነበረ፣ ክዳውንቲ እኳ እንተ ደረቡሉ፡ ኪመውቕ ኣይከኣለን። 2 ስለዚ፡ እቶም ገላዉኡ፡ “ንጐይታይ ንጉስ ድንግል ጓል ትደለየሉ፣ ንሳ ኸኣ ንንጉስ ኣላዪቱ ዀይና ተገልግሎ። ጐይታይ ንጉስ ምእንቲ ኺመውቕ ድማ፡ ኣብ ሕቝፍኻ ትደቅስ” በልዎ። 3 ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል ከኣ መልክዐኛ ጓል ደለዩ፣ ንኣቢሳግ+ እታ ሹናማዊት+ ድማ ረኸቡ እሞ፡ ንዓኣ ናብ ንጉስ ኣምጽእዋ። 4 እታ ጓል ከኣ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት፣ ንንጉስ ድማ ትኣልዮን ተገልግሎን ነበረት፣ ንጉስ ግና ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን። 5 ሽዑ፡ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት፡ “ክነግስ እየ” ኢሉ ንርእሱ ልዕል ኣበለ። ሰረገላን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዚጐይዩ 50 ሰብኡትን ከኣ ገበረ።+ 6 ኣቦኡ ግና፡ “ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ኣለኻ፧” ኢሉ ኺዛረቦ* ኣይደለየን። ንሱ ድማ ትርኢቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ፣ ኣዲኡ ኸኣ ንዕኡ ድሕሪ ኣቤሴሎም እያ ወሊዳቶ። 7 ምስ ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ምስ ካህን ኣብያታርን+ ድማ ተማኸረ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣዶንያ ሓገዝዎን ደገፍዎን።+ 8 ካህን ጻዶቅን+ በናያ+ ወዲ የሆያዳን ነብዪ ናታንን+ ሺምዒን+ ረዒይን እቶም ጀጋኑ ዳዊትን+ ግና ንኣዶንያ ኣይደገፍዎን። 9 ኣዶንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዔን-ሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔለት ኣባጊዕን ከብትን ስቡሓት እንስሳታትን ሰውአ፣+ ንዅሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዅሎም ገላዉ ንጉስ ዝዀኑ ሰብ ይሁዳን ከኣ ዓደመ። 10 ንነብዪ ናታንን ንበናያን ነቶም ጀጋኑን ንሓዉ ሰሎሞንን ግና ኣይዓደሞምን። 11 ናታን+ ድማ ንባትሴባ+ ኣደ ሰሎሞን+ ከምዚ በላ፦ “ጐይታና ዳዊት ሓንቲ ኸይፈለጠስ፡ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ፧ 12 ሕጂ ኸኣ ንህይወትክን ንህይወት* ሰሎሞን ወድኽን ከተድሕንስ፡ በጃኺ ንዒ ኽመኽረኪ።+ 13 ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣቲኺ፡ ‘ጐይታይ ንጉስ፡ “ወድኺ ሰሎሞን ብድሕረይ ኪነግስ እዩ፡ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ድማ ንሱ እዩ” ኢልካ ንገረድካ ዝመሓልካለይሲ ንስኻ ደይኰንካን፧+ ስለምንታይ ደኣ ኣዶንያ ነጊሱ፧’ በልዮ። 14 ገና ንስኺ ኣብኡ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ ኸለኺ፡ ኣነ ብድሕሬኺ ኣትየ ንዘረባኺ ዜረጋግጽ ነገር ክምልኣልኪ እየ።” 15 ባትሴባ ኸኣ ናብ ንጉስ ናብ ብሕት ዝበለት ክፍሉ ኣተወት። ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ ነበረ፣ ኣቢሳግ+ እታ ሹናማዊት ከኣ ንንጉስ ተገልግሎ ነበረት። 16 ባትሴባ ድማ ፍግም ኢላ ንንጉስ ሰገደትሉ፣ ንጉስ ከኣ፡ “እንታይ እዩ ልማኖኺ፧” በላ። 17 ንሳ ድማ ከምዚ ኢላ መለሰትሉ፦ “ጐይታይ፡ ‘ወድኺ ሰሎሞን ብድሕረይ ኪነግስ እዩ፡ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ድማ ንሱ እዩ’ ኢልካ ንገረድካ ብየሆዋ ኣምላኽካ ምሒልካለይ ኔርካ።+ 18 እንሆ ግና፡ ኣዶንያ ነጊሱ፡ ጐይታይ ንጉስ ድማ ብዛዕባኡ ሓንቲ እኳ ኣይፈለጠን።+ 19 ብዙሓት ኣብዑርን ስቡሓት እንስሳታትን ኣባጊዕን ሰዊኡ፡ ንዅሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊትን ከኣ ዓዲምዎም ኣሎ።+ ንጊልያኻ ሰሎሞን ግና ኣይዓደሞን።+ 20 ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዚቕመጥ ክትነግሮምሲ፡ ኣዒንቲ ዅሎም እስራኤል ናባኻ እየን። 21 እንተ ዘይኰነስ፡ ጐይታይ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ምስ ዓረፈ፡ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ከዳዓት ክንቍጸር ኢና።” 22 ገና ምስ ንጉስ ክትዛረብ ከላ ኸኣ፡ ነብዪ ናታን ኣተወ።+ 23 ሽዑ፡ ንንጉስ፡ “ነብዪ ናታን እንሆ” ተባሂሉ ተነግሮ። ንሱ ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጺኡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ሰገደሉ። 24 ናታን ከኣ ከምዚ በለ፦ “ጐይታይ ንጉስ፡ ‘ብድሕረይ ኣዶንያ ኺነግስ እዩ፡ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ድማ ንሱ እዩ’ ኢልካ ዲኻ፧+ 25 ንሱስ ሎሚ ብዙሓት ኣብዑርን ስቡሓት እንስሳታትን ኣባጊዕን ኪስውእ ወሪዱ፡+ ንዅሎም ደቂ ንጉስን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ከኣ ዓዲምዎም ኣሎ።+ ንሳቶም ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ‘ንጉስ ኣዶንያ ንዘለኣለም ይንበር!’ እውን ይብሉ ኣለዉ። 26 ንዓይ ንጊልያኻን ንኻህን ጻዶቅን ንበናያ+ ወዲ የሆያዳን ንጊልያኻ ሰሎሞንን ግና ኣይዓደመናን። 27 ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ብድሕሪኡ መን ከም ዚቕመጥ ንጊልያኻ ኸይነገርካስ፡ ጐይታይ ንጉስ ነዚዶ ፈቒድካ ኢኻ፧” 28 ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት፡ “ንባትሴባ ጸውዑለይ” ኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ ኣትያ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት። 29 ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሓለ፦ “ከምቲ እቲ ኻብ ኵሉ ጭንቂ ዘናገፈኒ* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ 30 ከምቲ፡ ‘ወድኺ ሰሎሞን ብድሕረይ ኪነግስ እዩ፡ ኣብ ክንዳይ ኰይኑ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ከኣ ንሱ እዩ’ ኢለ ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዝመሓልኩልኪ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ኽገብር እየ።” 31 ሽዑ፡ ባትሴባ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ሰገደትሉ፡ “ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ይንበር!” ድማ በለት። 32 ብኡብኡ፡ ንጉስ ዳዊት፡ “ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ+ ወዲ የሆያዳን+ ጸውዑለይ” በለ። ንሳቶም ከኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጹ። 33 ንጉስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንገላዉ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ተማልኡ፡ ንሰሎሞን ወደይ ከኣ ኣብ በቕለይ ኣወጢሕኩም+ ናብ ጊሖን ኣውርድዎ።+ 34 ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ድማ ኣብኡ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ይቕብእዎ፣+ ሽዑ፡ መለኸት ነፊሕኩም፡ ‘ንጉስ ሰሎሞን ንዘለኣለም ይንበር!’ በሉ።+ 35 ንዕኡ ስዒብኩም ከኣ ተመለሱ እሞ፡ መጺኡ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ። ንሱ ድማ ኣብ ክንዳይ ኪነግስ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መራሒ ኪኸውን ክምዝዞ እየ።” 36 ሽዑ፡ በናያ ወዲ የሆያዳ ንንጉስ፡ “ኣሜን! የሆዋ ኣምላኽ ጐይታይ ንጉስ ከምኡ ይበሎ። 37 ከምቲ የሆዋ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፡ ከምኡ ድማ ምስ ሰሎሞን ይኹን፣+ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዳዊት የዕብዮ” በሎ።+ 38 ሽዑ፡ ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን በናያ+ ወዲ የሆያዳን እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን+ ወረዱ፡ ንሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣወጢሖም+ ናብ ጊሖን ኣምጽእዎ።+ 39 ካህን ጻዶቅ ድማ ካብቲ ድንኳን+ ቀርኒ ዘይቲ ወሲዱ+ ንሰሎሞን ቀብኦ፣+ ንሳቶም ከኣ መለኸት ነፍሑ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን፡ “ንጉስ ሰሎሞን ንዘለኣለም ይንበር!” ኢሎም ጨደሩ። 40 ድሕርዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ሻምብቆ እናነፍሑን ብዙሕ እናተሓጐሱን ስዒቦምዎ ደየቡ፣ በቲ ጫውጫውታኦም ድማ ምድሪ ተጨድደት።+ 41 ኣዶንያን እቶም ንሱ ዝዓደሞምን ከኣ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ነዚ ሰምዕዎ።+ ዮኣብ ከኣ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዐ፡ “ኣብ ከተማ ጫውጫውታ ዕግርግር ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧” በለ። 42 ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ዮናታን+ ወዲ ኻህን ኣብያታር መጸ። ኣዶንያ ድማ፡ “ጽቡቕ እተበስር ሕያዋይ* ሰብኣይ ኢኻ እሞ፡ እቶ” በሎ። 43 ዮናታን ግና ንኣዶንያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣይፋልን ደኣ! ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ። 44 ንጉስ ከኣ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ነቶም ክረታውያንን ነቶም ጵለታውያንን ምስኡ ሰዲድዎም፣ ንሳቶም ድማ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣወጢሖምዎ።+ 45 ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ከኣ ንጉስ ኪኸውን ኣብ ጊሖን ቀቢኦምዎ። ተሓጒሶም ድማ ደዪቦም፣ እታ ኸተማ ኸኣ ዕግርግር ኢላ። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ጫውጫውታ እዚ እዩ። 46 ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ንግስና ተቐሚጡ። 47 ብተወሳኺ ኸኣ፡ ገላዉ ንጉስ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ‘ኣምላኽካ ንስም ሰሎሞን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ እውን ካብ ዝፋንካ የዕብዮ!’ ኢሎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾምሉ። ሽዑ፡ ንጉስ ኣብ ዓራቱ ዀይኑ ሰጊዱ። 48 ንጉስ ድማ፡ ‘ሎሚ ኣብ ዝፋነይ ዚቕመጥ ዝሃበኒ፡ ኣዒንተይ ነዚ ኺርእያ እውን ዝፈቐደ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ይወደስ!’ ኢሉ።” 49 ኵሎም እቶም ኣዶንያ ዝዓደሞም ከኣ ተሸበሩ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ተንሲኦም መመገዶም ከዱ። 50 ኣዶንያ እውን ብሰንኪ ሰሎሞን ፈርሀ፣ ተንሲኡ ኸይዱ ኸኣ ቀርኒ መሰውኢ ሓዘ።+ 51 ንሰሎሞን ድማ፡ “እንሆ ኣዶንያ ንንጉስ ሰሎሞን ፈሪሁ ኣሎ፣ ቀርኒ መሰውኢ ሒዙ ኸኣ፡ ‘ንጉስ ሰሎሞን ንጊልያኡ ብሰይፊ ኸይቀትሎ ቕድም ይምሓለለይ’ ይብል ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። 52 ሰሎሞን ድማ፡ “ቅኑዕ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ጸጕሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ፣ ክፉእ እንተ ተረኺብዎ ግና፡+ ኪመውት እዩ” በለ። 53 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ካብቲ መሰውኢ ኼምጽእዎ ለኣኸሉ። ንሱ ድማ መጺኡ ንንጉስ ሰሎሞን ሰገደሉ፣ ሰሎሞን ከኣ፡ “ናብ ቤትካ ኺድ” በሎ። 8 ሽዑ፡ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤል፡ ንዅሎም ርእስታት ነገዳት፡ ንሹማምንቲ ማይ ቤታት እስራኤል+ ኣከቦም።+ ንሳቶም ድማ ንታቦት ኪዳን የሆዋ ኻብ ከተማ ዳዊት፡+ ንሳ ጽዮን፡+ ኬደይብዎ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ናብ የሩሳሌም መጹ። 2 ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ኤታኒም፡* ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዚግበር በዓል፡*+ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ተኣከቡ። 3 ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ መጹ፣ እቶም ካህናት ድማ ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።+ 4 ንታቦት የሆዋን ነቲ ድንኳን ምርኻብን+ ንዅሉ እቲ ኣብቲ ድንኳን ዝነበረ ቕዱስ ኣቕሑን ከኣ ኣደየብዎ። እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ድማ ኣደየብዎ። 5 ንጉስ ሰሎሞንን ብዘሎ እቲ ምስኡ ኺእከብ እተጸውዐ ኣኼባ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ነበሩ። ካብ ምብዛሐን እተላዕለ ኺጽብጸባን ኪቝጸራን ዘይከኣላ ኣባጊዕን ከብትን ከኣ ይስውኡ ነበሩ።+ 6 እቶም ካህናት ድማ ንታቦት ኪዳን የሆዋ ናብ ቦታኡ፡+ ናብታ ውሽጣዊት ክፍሊ እታ ቤት፡ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ኣእተውዎ።+ 7 ስለዚ፡ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ኣብ ልዕሊ ቦታ እቲ ታቦት ተዘርጊሑ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ኪሩቤል ነቲ ታቦትን ነቲ ዘንግታቱን ኣጽለልዎ።+ 8 እቲ ዘንግታት+ ከኣ ካብ ምንዋሑ እተላዕለ፡ ጫፍ እቲ ዘንግታት ካብታ ኣብ ቅድሚ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ዘላ ቕድስቲ ይርአ ነበረ፣ ካብ ወጻኢ ግና ኣይርአን ነበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። 9 ኣብቲ ታቦት ከኣ ብዘይካ እተን ህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ዚወጹሉ ግዜ፡+ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኪኣቱ ኸሎ+ ሙሴ ኣብ ሆሬብ ኣብኡ ዘንበረን+ ክልተ ጽላት እምኒ፡+ ካልእ ኣይነበረን። 10 እቶም ካህናት ካብታ መቕደስ ምስ ወጹ፡ ነታ ቤት የሆዋ ደበና መልኣ።+ 11 ነታ ቤት የሆዋ ኽብሪ የሆዋ መሊእዋ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን።+ 12 ሽዑ፡ ሰሎሞን ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኣብ ብርቱዕ ድነ ኸም ዚነብር ኢሉ እዩ።+ 13 ኣነ ኸኣ ልዕልቲ ቤት፡ ንዘለኣለም እትነብረላ ቐዋሚት ቦታ ሃኒጸልካ ኣለኹ።”+ 14 እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ፡ ኵሉ ጉባኤ እስራኤል ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንብዘሎ ጉባኤ እስራኤል መረቖ።+ 15 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “እቲ ንኣቦይ ዳዊት ብኣፉ ዘተስፈዎ፡ ብኢዱ እውን ዝፈጸሞ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ይወደስ፣ ንሱ ኸምዚ ኢሉ ነበረ፦ 16 ‘ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ፡ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረላ ቤት እትህነጸላ ኸተማ ኣይሓረኹን፣+ ግናኸ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን ሓርየዮ ኣለኹ።’ 17 ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሃንጸሉ ብልቡ ተመነየ።+ 18 የሆዋ ግና ንኣቦይ ዳዊት፡ ‘ንስመይ ቤት ክትሃንጽ ትምኒት ልብኻ እዩ ነይሩ፣ ነዚ ብልብኻ ብምምናይካ ኸኣ ጽቡቕ ጌርካ። 19 ግናኸ፡ እቲ ኻባኻ ዚውለድ ወድኻ* ደኣ እዩ ንስመይ ቤት ዚሃንጽ እምበር፡ ንስኻስ ነታ ቤት ኣይክትሃንጻን ኢኻ’ በሎ።+ 20 የሆዋ ድማ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ፈጺምዎ ኣሎ፣ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎስ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲአ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐሚጠ ኣለኹ። ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እውን ቤት ሃኒጸ ኣለኹ፣+ 21 ኣብኣ ኸኣ ነቲ የሆዋ ንኣቦታትና ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ምሳታቶም ዝኣተዎ ኺዳን ዝሓዘ ታቦት፡+ ቦታ ኣዳልየ ኣለኹ።” 22 ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል ደው በለ፡ ኣእዳዉ እውን ናብ ሰማያት ዘርግሐ፣+ 23 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብዅሉ ልቦም ዚመላለሱ ገላዉኻ ኺዳን እትሕሉን ብተኣማንነት እተፍቅርን፡+ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ኰነ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን።+ 24 እቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ሓሊኻዮ ኢኻ። ብኣፍካ ኣተስፊኻ ኢኻ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ብኢድካ ፈጺምካዮ ኣለኻ።+ 25 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት፡ ‘ደቅኻ፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካዮ ጥራይ ብምምልላስ ንመገዶም እንተ ተጠንቂቖም፡ ካባኻ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’ ኢልካ ዘተስፎኻዮ ሓልዎ።+ 26 ሕጂ ድማ፡ ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ፡ እቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ተስፋ እሙን ይኹን። 27 “ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፧+ እንሆ፡ ሰማያት፡ እወ ሰማየ ሰማያት ኪሕዙኻ ኣይክእሉን እዮም፣+ እዛ ኣነ ዝሃነጽክዋ ቤት ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ!+ 28 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ናብ ጸሎት ጊልያኻን ናብ ናይ ሞገስ ልማኖኡን ኣድህብ፣ ንኣውያትን ነቲ ሎሚ ጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ጸሎትን ስማዕ። 29 ነቲ ጊልያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎት ንምስማዕ፡ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ’+ ዝበልካያ ቦታ ይከፈታ።+ 30 ነቲ ጊልያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምጽላይ ዜቕርብዎ ልማኖ ሞገስ ከኣ ስማዕ፣ ካብታ እትነብረላ ቦታ፡ ካብ ሰማያት ስማዕ፣+ እወ፡ ስማዕ እሞ፡ ይቕረ በል።+ 31 “ሰብ ንብጻዩ ምስ ዚብድሎ፡ እቲ እውን ምስ ዜምሕሎን* ብማሕላ* ተሓታቲ ምስ ዚገብሮን፡ ኣብ ትሕቲ ማሕላ* ኸሎ ኸኣ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብዛ ቤት እዚኣ ዘሎ መሰውኢኻ ምስ ዚመጽእ፡+ 32 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡ ስጕምቲ ውሰድ፡ ንገላዉኻ ድማ ፍረደሎም፣ ነቲ እኩይ በዳሊ* ግበሮ፡ ከምቲ ዝገበሮ እውን ኣብ ርእሱ ምለሰሉ፣ ነቲ ጻድቕ ከኣ ንጹህ* ግበሮ፡ ከም ጽድቁ እውን ፍደዮ።+ 33 “ህዝብኻ እስራኤል ኣንጻርካ ብዝሓጥእዎ ሓጢኣት ብምጽናዖም ብጸላኢ ምስ ዚስዓሩ፡+ ናባኻ ተመሊሶም ድማ ንስምካ ምስ ዜሞግሱን+ ኣብዛ ቤት እዚኣ ምስ ዚጽልዩን ሞገስ ምስ ዚልምኑኻን፡+ 34 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ንኣቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።+ 35 “ኣንጻርካ ብዝሓጥእዎ ሓጢኣት+ ብምጽናዖም ሰማያት ምስ ዚዕጾ እሞ ዝናም ምስ ዘይዘንም፡+ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ምስ ዚጽልዩን ንስምካ ምስ ዜሞግሱን፡ ስለ ዘዋረድካዮም* ድማ ካብ ሓጢኣቶም ምስ ዚምለሱ፡+ 36 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡ እታ ኺመላለሱላ ዚግባእ ጽብቕቲ መገዲ ስለ እትምህሮም ከኣ፡+ ሓጢኣት ገላዉኻ ዝዀኑ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በል፣ ነታ ንህዝብኻ ርስቲ ኽትከውን ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሃባ።+ 37 “ኣብታ ምድሪ፡ ጥሜት፡+ ወይ ለበዳ፡ ወይ ሃጒ፡ ወይ ዋግ፡+ ወይ ዕስለ ኣንበጣ፡ ወይ በላዒ ኣንበጣ* እንተ ዀይኑ፡ ወይ ጸላኢኦም ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት እታ ምድሪ* እንተ ኸቢብዎም፡ ወይ ካልእ ዓይነት መዓት ወይ ሕማም እንተ ዀይኑ፡+ 38 ነፍሲ ወከፍ ቍስሊ ልቡ ይፈልጥ እዩ እሞ፡+ ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ጸሎት ዘበለን ልማኖ ሞገስ ዘበለን+ ምስ ዜቕርብ፡ ናብዛ ቤት እዚኣ ድማ ኣእዳዎም ምስ ዚዝርግሑ፡ 39 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ስማዕ፡+ ይቕረ በል፡+ ስጕምቲ እውን ውሰድ፣ ንስኻ በይንኻ ንልቢ ዅሉ ሰብ ብሓቂ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡+ ልቡ ስለ እትፈልጥ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኵሉ መገድታቱ ፍደዮ።+ 40 እዚ ኸኣ ብዅለን እተን ኣብታ ንኣቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ ኣብ ዚነብሩለን መዓልትታቶም ምእንቲ ኺፈርሁኻ እዩ። 41 “ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ፡ ንሱ ስለ ስምካ* ኢሉ ኻብ ርሑቕ ምድሪ ምስ ዚመጽእ፡+ 42 (ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ስምካን+ ብዛዕባ እታ ሓያል ኢድካን ብዛዕባ እታ ዝርግሕቲ ቕልጽምካንሲ ኺሰምዑ እዮም)፡ ንሱ ኸኣ መጺኡ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚጽሊ፡ 43 ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡን ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ምእንቲ ኺፈርሁኻን፡+ ስምካ ድማ ኣብዛ ኣነ ዝሃነጽክዋ ቤት ከም እተጸውዐ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ስማዕ፡+ ነቲ ጓና ድማ ከምቲ ዚልምነካ ዘበለ ዅሉ ግበረሉ። 44 “ህዝብኻ ምስ ጸላኢኦም ኪዋግኡ ኢሎም በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ እንተ ኸይዶም፡+ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን+ ናብዛ ንስምካ ዝሃነጽክዋ ቤትን ኣቢሎም ከኣ ናብ የሆዋ እንተ ጸልዮም፡+ 45 ንስኻ ኻብ ሰማያት ጸሎቶምን ናይ ሞገስ ልማኖኦምን ስማዕ፡ ፍርዲ እውን ኣውጽኣሎም። 46 “ዘይብድል ሰብ የልቦን እሞ፡ እንተ በዲሎምኻ፡+ ተቘጢዕካ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካዮም እሞ፡ እቶም ማረኽቶም ናብ ርሑቕ ኰነ ናብ ቀረባ ምድሪ ጸላኢ እንተ ማሪኾምዎም፡+ 47 ኣብታ ተማሪኾም ዝኸዱላ ምድሪ ኸኣ ናብ ልቦም እንተ ተመሊሶም፡+ ኣብታ ምድሪ ማረኽቶም ድማ ‘ሓጢእና፡ ተጋጊና፡ ክፉእ ጌርና’ ኢሎም+ ናባኻ እንተ ተመሊሶምን+ ሞገስካ እንተ ለሚኖምን፡+ 48 ኣብ ምድሪ እቶም ዝማረኽዎም ጸላእቶም ከኣ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን* ናባኻ እንተ ተመሊሶም፡+ ናብዛ ንኣቦታቶም ዝሃብካዮም ምድርን ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነጽክዋ ቤትን ኣቢሎም ድማ እንተ ጸልዮም፡+ 49 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ጸሎቶምን ናይ ሞገስ ልማኖኦምን ስማዕ፡+ ፍርዲ እውን ኣውጽኣሎም፣ 50 ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ኸኣ ኵሉ እቲ ኣንጻርካ ዝገበርዎ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም። ኣብ ቅድሚ ማረኽቶም ዜደንግጹ ግበሮም፡ ንሳቶም ድማ ይደንግጹሎም፣+ 51 (ንሳቶምሲ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ሓጺን ዜምክኽ እቶን ዘውጻእካዮም+ ህዝብኻን ርስትኻን እዮም።)+ 52 ናባኻ ብእተማህለሉ ዘበለ እዋን* ብምስማዕ፡+ ኣዒንትኻ ነቲ ጊልያኻ ዜቕርቦ ልማኖ ሞገስን ነቲ ህዝብኻ እስራኤል ዜቕርቦ ልማኖ ሞገስን ይከፈታ።+ 53 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ከምቲ ንኣቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከለኻ ብጊልያኻ ሙሴ እተዛረብካዮስ፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ ፈሊኻዮም ኢኻ።”+ 54 ሰሎሞን ነዚ ናብ የሆዋ ዝጸለዮ ዅሉ ጸሎትን ልማኖ ሞገስን ምስ ወድአ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ኣእዳዉ ናብ ሰማያት ዘርጊሑ ተምበርኪኹሉ ዝነበረ መሰውኢ የሆዋ ተንስአ።+ 55 ደው ኢሉ ኸኣ ንዅሉ እቲ ጉባኤ እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዚ ኢሉ መረቖ፦ 56 “እቲ ንህዝቡ እስራኤል ከምቲ ዘተስፈዎ ገይሩ መዕረፊ ዝሃቦ የሆዋ ይወደስ።+ ካብቲ ብጊልያኡ ሙሴ ኣቢሉ ዘተስፈዎ ጽቡቕ ተስፋ፡ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን።+ 57 የሆዋ ኣምላኽና፡ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበረ፡ ምሳና ይኹን።+ ኣይሕደገና፡ ኣይጠንጥነና እውን።+ 58 ብዅሉ መገድታቱ ኽንመላለስ፡ እቲ ንኣቦታትና ኺሕልውዎ ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ፍርድታቱን ድማ ክንሕሉ፡ ንልብና ናብኡ የብሎ።+ 59 እዚ ሞገስ የሆዋ ዝለመንኩሉ ቓላተይ ከኣ ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓ የሆዋ ኣምላኽና ይኹን፣ ከከምቲ ነንመዓልቲ ዜድሊ ድማ ንጊልያኡን ንህዝቡ እስራኤልን ፍርዲ የውጽእ፣ 60 እዚ ኸኣ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ፡ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጡ እዩ።+ ካልእ የልቦን!+ 61 ስለዚ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ብስርዓታቱ ብምምልላስን ትእዛዛቱ ብምሕላውን፡ ልብኹም ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኽና* ይኹን።”+ 62 ንጉስን ኵሎም እስራኤልን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዙሕ መስዋእቲ ኣቕረቡ።+ "63 ሰሎሞን ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ኣቕረበ፦+ 22,000 ከብትን 120,000 በጊዕን ድማ ኣቕረበ። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስን ኵሎም እስራኤላውያንን ንቤት የሆዋ መረቕዋ።+" 64 እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበረ መሰውኢ ነሓሲ+ ንዚሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ እኽልን ንስብሕታት+ መስዋእቲ ሕብረትን ዘይኣክል ንእሽቶ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ቤት የሆዋ ዘሎ ማእከል ኣጸድ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ስብሕታት መስዋእቲ ሕብረትን ኬቕርብ ስለ ዝነበሮ፡ ንዕኡ ቐደሶ። 65 በታ ግዜ እቲኣ፡ ሰሎሞን ምስ ኵሉ እስራኤል፡ ማለት ካብ ለቦ-ሓማት* ክሳብ ርባ* ግብጺ+ ምስ እተኣከበ ዓብዪ ጉባኤ ሓቢሩ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና 7 መዓልትን ካልእ 7 መዓልትን፡ ብድምር 14 መዓልቲ፡ በዓል ኣብዓለ።+ 66 ኣብታ ዝሰዓበት* መዓልቲ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፣ ንሳቶም ከኣ ንንጉስ መረቕዎ፡ በቲ የሆዋ ንጊልያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገር+ እናተሓጐሱን ልቦም ባህ ኢልዎምን ድማ ነናብ ቤቶም ከዱ። 11 ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርኦን+ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡+ ማለት ሞኣባውያንን+ ዓሞናውያንን+ ኤዶማውያንን ሲዶናውያንን+ ሔታውያንን+ ኣፍቀረ። 2 ንሳተን ካብቶም የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዛዕባኦም፡ “ልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡* ንሳቶም እውን ናባኻትኩም ኣይምጽኡ” ዝበሎም ኣህዛብ ነበራ።+ ሰሎሞን ግና ናባታተን ለገበ፡ ኣፍቀረን እውን።* 3 ልዕልትታት ዝዀና 700 ኣንስትን 300 ኣንስቲ ወሰንን ከኣ ነበራኦ፣ ኣንስቱ ድማ በብቝሩብ ልቡ ኣዘንበላኦ።* 4 ብግዜ እርጋን ሰሎሞን ከኣ፡+ እተን ኣንስቱ ንልቡ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ናብ ምስዓብ ኣዘንበላኦ፣*+ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ* ኣይነበረን። 5 ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣሽቶረት+ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም+ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ዓሞናውያንን ሰዓበ። 6 ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ፣ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ገይሩ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣይሰዓቦን።+ 7 ሽዑ፡ ሰሎሞን ንከሞሽ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ኣብ ዘሎ ኸረን፡ በሪኽ ሰርሓሉ፣+ ንሞሌኽ+ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ዓሞናውያን እውን ከምኡ ሰርሓሉ።+ 8 ንዅለን እተን ዚዓጥናን ንኣማልኽተን ዚስውኣን ዝነበራ ጓኖት ኣንስቱ ኸኣ፡ ከምኡ ገበረለን። 9 የሆዋ ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ+ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡+ ተቘጥዖ። 10 ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ ማለት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይከይድ፡ ኣጠንቂቕዎ እኳ እንተ ነበረ፡+ ንሱ ግና ነቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን። 11 የሆዋ ኸኣ ንሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ድማ ኪዳነይን ሕግታተይን ስለ ዘይሓሎኻ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንሓደ ኻብ ገላዉኻ ኽህቦ እየ።+ 12 ግናኸ፡ ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት፡ እዚ ብዘመንካ ኣይክገብሮን እየ። ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐድዳ።+ 13 ንብዘላ እታ መንግስቲ ግና ኣይክቐድዳን እየ።+ ምእንቲ ጊልያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን+ ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።”+ 14 የሆዋ ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ፡+ ሃዳድ እቲ ኤዶማዊ፡ ካብ ዘርኢ ንጉስ ኤዶም፡ ኣተንስኣሉ።+ 15 ዳዊት ንኤዶም ምስ ሰዓሮ፡+ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ነቶም ቅቱላት ኪቐብር ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ኪቐትል ፈተነ። 16 (ዮኣብን ኵሎም እስራኤልንሲ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዜጽንት፡ ኣብኡ ሽዱሽተ ወርሒ ጸንሑ።) 17 ሃዳድን ገሊኦም ኤዶማውያን ገላዉ ኣቦኡን ግና ሃዲሞም ናብ ግብጺ ኸዱ፣ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ። 18 ካብ ሚድያን ነቒሎም ከኣ ናብ ጳራን+ መጹ። ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ፡ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ፣ ንሱ ኸኣ ቤት ሃቦ፡ ቀለብ ድማ መደበሉ፡ ምድሪ እውን ሃቦ። 19 ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ስለ ዝረኸበ፡ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ* ታሕጵኔስ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 20 እታ ሓብቲ ታሕጵኔስ ድማ ጌኑባት ዚብሃል ወዲ ወለደትሉ፣ ታሕጵኔስ ከኣ ንዕኡ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣዕበየቶ፣* ጌኑባት ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ መንጎ ደቂ ፈርኦን ነበረ። 21 ሃዳድ ከኣ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝዓረፈን+ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝሞተን ሰምዐ።+ ሃዳድ ድማ ንፈርኦን፡ “ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ፡ ኣሰናብተኒ” በሎ። 22 ፈርኦን ግና፡ “ናብ ሃገርካ ኽትከይድ ዝደለኻስ፡ ምሳይ ከለኻ እንታይ ጐዲሉካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ” በሎ። 23 ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ካልእ ተጻራሪ፡+ እቲ ኻብ ጐይታኡ ሃዳድዔዘር+ ንጉስ ጾባ ዝሃደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ፡ ኣተንስኣሉ። 24 ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰዓሮም፡* ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ዘማቲ ጭፍራ ዀነ።+ ናብ ደማስቆ+ ኸይዶም ድማ ኣብኣ ተቐመጡ፡ ኣብ ደማስቆ እውን ነገሱ። 25 ንሱ ኸኣ ኣብ ርእሲ እቲ ሃዳድ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ተጻራሪ እስራኤል ኰይኑ ነበረ፣ ኣብ ሶርያ ነጊሱ ኸሎ ድማ፡ ንእስራኤል ይፍንፍኖ ነበረ። 26 የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ከኣ፡ ኤፍሬማዊ ኻብ ጸሬዳ፡ ጊልያ ሰሎሞን ነበረ፣+ ስም ኣዲኡ ድማ ጽሩዓ እዩ፣ ንሳ እውን መበለት ነበረት። ንሱ ኸኣ ካብ ንጉስ ዓለወ።*+ 27 እቲ ኻብ ንጉስ ዝዓለወሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ፦ ሰሎሞን ነቲ ዅምራ* ሃኒጽዎን+ ነቲ ጋግ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ዓጽይዎን ነበረ።+ 28 የሮብዓም ከኣ ክኢላ ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ድማ፡ እቲ ጐበዝ ትጉህ ዓያዪ ምዃኑ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ግዴታዊ ኣገልግሎት ቤት ዮሴፍ ሓላፊ* ገበሮ።+ 29 በቲ ግዜ እቲ፡ የሮብዓም ካብ የሩሳሌም ወጸ፣ ነብዪ ኣሒያ+ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ኣሒያ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ፣ ክልቲኦም ከኣ በይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 30 ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ 12 ቝራጽ ቈራረጾ። 31 ንየሮብዓም ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ዓሰርተ ቝራጽ ንዓኻ ውሰድ፣ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን እቐድዳ ኣለኹ፣ ንዓኻ ድማ ዓሰርተ ነገዳት ክህበካ እየ።+ 32 ምእንቲ ጊልያይ ዳዊትን+ ምእንቲ እታ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን+ ግና ሓደ ነገድ ንዕኡ ኪኸውን እዩ።+ 33 ንዓይ ሓዲጎም ንኣሽቶረት እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ንከሞሽ እቲ ኣምላኽ ሞኣብን ንሚልኮም እቲ ኣምላኽ ዓሞናውያንን ስለ ዝሰገዱ፡ እዚ ኽገብር እየ፣+ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ብምግባርን ሕግታተይን ፍርድታተይን ብምሕላውን ከኣ ብመገድታተይ ኣይተመላለሱን። 34 ግናኸ፡ ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕግታተይን ዝሓለወ ኣነ ዝሓረኽዎ ጊልያይ ዳዊት ኢለ፡+ ብዘላ እታ መንግስቲ ኻብ ኢዱ ኣይክወስዳን እየ፡ የግዳስ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ሹም ክገብሮ እየ። 35 ግናኸ፡ ነቲ ንግስና ኻብ ኢድ ወዱ ኽወስዶ፡ ንዓኻ ድማ ዓሰርተ ነገዳት ክህበካ እየ።+ 36 ጊልያይ ዳዊት ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኼንብር ዝሓረኽዋ ኸተማ የሩሳሌም ወትሩ መብራህቲ ምእንቲ ኺህልዎስ፡+ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። 37 ንዓኻ ኸኣ ክወስደካ እየ፡ ኣብ ኵሉ እቲ እትብህጎ* ድማ ክትነግስ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እውን ንጉስ ክትከውን ኢኻ። 38 ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ እንተ ተኣዚዝካ፡ ከምቲ ጊልያይ ዳዊት ዝገበሮ፡ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ብምሕላው ድማ ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እውን ቅኑዕ እንተ ጌርካ፡+ ኣነ እውን ምሳኻ ክኸውን እየ። ከምቲ ንዳዊት ዝሃነጽኩሉ፡+ ነባሪት ቤት ክሃንጸልካ እየ፡ እስራኤል እውን ክህበካ እየ። 39 ምእንቲ እዚ ድማ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፣+ ግናኸ፡ ንዅሉ ግዜ ኣይኰነን።’”+ 40 ስለዚ፡ ሰሎሞን ንየሮብዓም ኪቐትሎ ፈተነ፣ የሮብዓም ግና ናብ ግብጺ፡ ናብ ሺሻቅ+ ንጉስ ግብጺ ሃደመ፣+ ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ጸንሐ። 41 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሰሎሞን፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ጥበቡን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ሰሎሞን ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 42 እቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን* 40 ዓመት ነበረ። 43 ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም+ ነገሰ። 2 ዳዊት ዝሞተሉ ግዜ ምስ ቀረበ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ 2 “ኣነ ንሞት ቀሪበ ኣለኹ።* እምበኣር፡ በርትዕ፡+ ሰብኣይ እውን ኩን።+ 3 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ፡ ብመገድታቱ ብምምልላስ፡ ሕግታቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን መዘኻኸሪታቱን ከኣ ብምሕላው፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ግዴታ ሓሉ።+ ሽዑ፡ ኣብ እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ኪሰልጠካ እዩ።* 4 የሆዋ ድማ ነቲ፡ ‘ደቅኻ ብዅሉ ልቦምን ነፍሶምን* ኣብ ቅድመይ ብተኣማንነት ብምምልላስ ንመገዶም እንተ ተጠንቂቖም፡+ ካባኻ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’ ኢሉ ብዛዕባይ ዝኣተዎ ቓል ኪፍጽሞ እዩ።+ 5 “እቲ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ዝገበረኒ፡ እቲ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሰራዊት እስራኤል፡ ንኣብኔር+ ወዲ ኔርን ንዓማሳ+ ወዲ የተርን ዝገበሮም፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ንዓታቶም ቀቲሉ፡ ብግዜ ሰላም እውን ደም ውግእ ኣፍሲሱ እዩ፣+ ኣብቲ ኣብ ሕቘኡ ዝነበረ ዕጣቑን ኣብቲ ኣብ ኣእጋሩ ዝነበረ ኣሳእኑን ከኣ ደም ውግእ ገይሩ እዩ። 6 ንስኻ ኸም ጥበብካ ግበር፣ ንሽበቱ ድማ ብሰላም ናብ መቓብር* ኣይተውርዶ።+ 7 “ንደቂ ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ግና፡ ብተኣማንነት ኣፍቅሮም፡ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ እውን ይኹኑ፣ ከመይሲ፡ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም ከለኹ፡+ ንሳቶም ከምኡ ኣብ ጐድነይ ኰይኖም እዮም።+ 8 “ሺምዒ ወዲ ጌራ እቲ ብንያማዊ ብዓል ባሑሪም እውን ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ናብ ማሓናዪም+ ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረጊሙኒ እዩ፣+ ግናኸ፡ ኪቕበለኒ ናብ ዮርዳኖስ ምስ ወረደ፡ ‘ብሰይፊ ኣይክቐትለካን እየ’ ኢለ ብየሆዋ ምሒለሉ እየ።+ 9 ሕጂ ኸኣ ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ፡ እትገብሮ ድማ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ከይቀጻዕካ ኣይትሕደጎ፣+ ንሽበቱ ኸኣ ብደም ናብ መቓብር* ኣውርዶ።”+ 10 ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ተቐብረ።+ 11 እቲ ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን፡* 40 ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን+ 7 ዓመት ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 33 ዓመት ነገሰ።+ 12 ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፣ ንግስናኡ እውን ኣዝዩ እናጸንዐ ኸደ።+ 13 ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ከኣ ናብ ባትሴባ ኣደ ሰሎሞን መጸ። ንሳ ድማ፡ “ብሰላም ዲኻ መጺእካ፧” በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ብሰላም እየ” ኢሉ መለሰ። 14 “ሓደ ዝዛረበኪ ነገር ደኣ ኣሎኒ” ድማ በላ። ንሳ ኸኣ፡ “ተዛረብ” በለቶ። 15 ንሱ ድማ፡ “ንግስና ናተይ ኪኸውን ኢሉ ኸም ዝነበረ፡ ኵሎም እስራኤል እውን ኣነ ኽነግሶም ይጽበዩ* ኸም ዝነበሩ ንስኺ ኣጸቢቕኪ ትፈልጢ ኢኺ፣+ እቲ ንግስና ግና ካብ የሆዋ ንዕኡ ዀይኑ እዩ እሞ፡ ካባይ መሊቑ ንሓወይ ኰይኑ።+ 16 ሕጂ ኸኣ ካባኺ ሓደ ልማኖ ኽልምን። ኣይትእበይኒ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ተዛረብ” በለቶ። 17 ንሱ ኸኣ፡ “ንጉስ ሰሎሞን ንዓኺ ኣይኣብየክን እዩ እሞ፡ ንኣቢሳግ+ እታ ሹናማዊት ሰበይተይ ክትከውን ኪህበኒ በጃኺ ለምንለይ” በላ። 18 ባትሴባ ድማ፡ “ሕራይ። ንንጉስ ክዛረበልካ እየ” በለቶ። 19 ባትሴባ ኸኣ ብዛዕባ ኣዶንያ ኽትዛረቦ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። ሽዑ፡ ንጉስ ኪቕበላ ተንስአ፡ ሰገደላ እውን። ኣብ ዝፋኑ ድማ ተቐመጠ፣ ብየማኑ ምእንቲ ኽትቅመጥ ከኣ፡ ንኣደ ንጉስ ዝፋን ኣምጽኣላ። 20 ንሳ ድማ፡ “ካባኻ ዝልምና ሓንቲ ንእሽቶ ልማኖ ኣላ። ኣይትእበየኒ” በለቶ። ንጉስ ከኣ፡ “ኣደይ፡ ኣይኣብየክን እየ እሞ፡ ለምኒ” በላ። 21 ንሳ ድማ፡ “ኣቢሳግ እታ ሹናማዊት ንሓውካ ኣዶንያ ሰበይቲ ኽትኰኖ ትወሃቦ” በለቶ። 22 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንኣዲኡ፡ “ንኣዶንያ ኣቢሳግ እታ ሹናማዊት እትልምንሉ ዘለኺ ስለምንታይ ኢኺ፧ ንሱ ምዕባየይ ሓወይ እዩ እሞ፡+ ብሓደ ኣፊቱ ነዚ ንግስና እውን ለምንሉ፣+ ካህን ኣብያታርን ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያን ከኣ ንዕኡ ይድግፍዎ እዮም”+ ኢሉ መለሰላ። 23 ሽዑ፡ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ብየሆዋ መሓለ፦ “ኣዶንያ ብሰንኪ እዚ ልማኖኡ ህይወቱ እንተ ዘይስኢኑስ፡* ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ። 24 ሕጂ ድማ ከምቲ እቲ ዘጽንዓንን+ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊት ዘቐመጠንን ከም ቃሉ ቤት* ዝሰርሓለይን+ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኪቕተል እዩ።”+ 25 ብኡብኡ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያ+ ወዲ የሆያዳ ሰደዶ፣ ንሱ ኸኣ ወጺኡ ንኣዶንያ ወቕዖ* እሞ ሞተ። 26 ንጉስ ድማ ንኻህን ኣብያታር፡+ “ንስኻ ሞት ዚግብኣካ ኢኻ፣ ግናኸ፡ ታቦት እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ፡+ ካብ ኵሉ እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዘጋጠሞ ጸበባ ኸኣ ስለ እተኻፈልካ፡+ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይቀትለካን እየ እሞ፡ ናብ ግራውትኻ ናብ ዓናቶት+ ኪድ” በሎ። 27 ሰሎሞን ከኣ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቤት ኤሊ+ ኣብ ሺሎ+ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጽም፡ ንኣብያታር፡ ካህን የሆዋ ኸይከውን ሰጐጎ። 28 ዮኣብ ንኣቤሴሎም እኳ እንተ ዘይደገፎ፡+ ንኣዶንያ ግና ደጊፍዎ ነበረ እሞ፡+ እቲ ወረ ናብ ዮኣብ ምስ በጽሐ፡ ዮኣብ ናብ ድንኳን የሆዋ ሃዲሙ+ ቐርኒ መሰውኢ ሓዘ። 29 ንንጉስ ሰሎሞን ድማ፡ “ዮኣብ ናብ ድንኳን የሆዋ ሃዲሙ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ኸኣ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። ሰሎሞን ድማ ንበናያ ወዲ የሆያዳ፡ “ኬድካ ቕተሎ” ኢሉ ሰደዶ። 30 በናያ ኸኣ ናብ ድንኳን የሆዋ ኸይዱ፡ “ንጉስ፡ ‘ውጻእ!’ ይብል ኣሎ” በሎ። ንሱ ግና፡ “ኣይፋለይን! ኣብዚኣ ደኣ እመውት” በለ። በናያ ድማ፡ “ዮኣብ ከምዚ ኢሉኒ፡ ከምዚ እውን መሊሱለይ” ኢሉ ንንጉስ ምላሽ ኣምጽኣሉ። 31 ንጉስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ከምቲ ዝበሎ ግበር፡ ቅተሎ እሞ ቕበሮ፣ ነቲ ዮኣብ ብዘይግባእ ዘፍሰሶ ደም ካባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ።+ 32 ነቶም ካብኡ ዚጸድቁን ዚሕሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰብኡት፡ ንኣብኔር+ ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን+ ንዓማሳ+ ወዲ የተር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን+ ኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ ብሰይፊ ወቒዑ ቐቲልዎም እዩ እሞ፡ የሆዋ ደሙ ኣብ ርእሱ ኺመልሰሉ እዩ። 33 ደሞም ንዘለኣለም ኣብ ርእሲ ዮኣብን ኣብ ርእሲ ዘርኡን ኪምለስ እዩ፣+ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዝፋኑን ግና፡ ካብ የሆዋ ንዘለኣለም ሰላም ይኹን።” 34 ሽዑ፡ በናያ ወዲ የሆያዳ ደዪቡ ንዮኣብ ወቒዑ ቐተሎ፣ ኣብ ቤቱ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐብረ። 35 ንጉስ ድማ ኣብ ክንዳኡ ንበናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ሸሞ፣ ንጉስ ከኣ ንኻህን ጻዶቅ+ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ሸሞ። 36 ንጉስ ድማ ልኢኹ ንሺምዒ+ ጸዊዑ፡ “ኣብ የሩሳሌም ቤት ሃኒጽካ፡ ኣብኣ ተቐመጥ፣ ካብኣ ኸኣ ናብ ካልእ ቦታ ኣይትውጻእ። 37 በታ ወጺእካ ንስንጭሮ ቄድሮን እትሳገረላ መዓልቲ፡+ ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ። ደምካ ኸኣ ኣብ ርእስኻ ኪኸውን እዩ” በሎ። 38 ሺምዒ ኸኣ ንንጉስ፡ “እዚ ዝበልካዮ ቕኑዕ እዩ። ጊልያኻ ኸምቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ ኺገብር እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ሺምዒ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብዙሕ መዓልትታት ተቐመጠ። 39 ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ዓመት ግና፡ ክልተ ባሮት ሺምዒ ናብ ኣኪሽ+ ወዲ ማዓካ፡ ንጉስ ጋት፡ ሃደሙ። ንሺምዒ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ባሮትካ ኣብ ጋት ኣለዉ” ተባሂሉ ምስ ተነግሮ፡ 40 ሺምዒ ብኡብኡ ኣድጉ ጽዒኑ ነቶም ባሮቱ ኺረኽቦም ናብ ኣኪሽ ናብ ጋት ከደ። ሺምዒ ኻብ ጋት ምስ ባሮቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ 41 ንሰሎሞን፡ “ሺምዒ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋት ከይዱ ተመሊሱ” ተባሂሉ ተነግሮ። 42 ሽዑ፡ ንጉስ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ “‘በታ ኻብዚኣ ወጺእካ ናብ ካልእ ቦታ ዝኸድካላ መዓልቲ፡ ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ’ ኢለ ብየሆዋ ኣምሒለካን ኣጠንቂቐካንዶ ኣይነበርኩን፧ ንስኻኸ፡ ‘እዚ ዝበልካዮ ቕኑዕ እዩ፡ ክእዘዝ እየ’ ኢልካኒዶ ኣይነበርካን፧+ 43 ነቲ ማሕላ የሆዋን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለምንታይ ዘይሓሎኻዮ፧” በሎ። 44 ንጉስ ከኣ ንሺምዒ፡ “እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዅሉ ጕድኣት ብልብኻ ትፈልጦ ኢኻ፣+ የሆዋ ድማ ነቲ ጕድኣት እቲ ኣብ ርእስኻ ኺመልሰልካ እዩ።+ 45 ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ይኹን፣+ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንዘለኣለም ጽኑዕ ይኹን” በሎ። 46 ሽዑ፡ ንጉስ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፣ ንሱ ድማ ወጺኡ ወቕዖ እሞ ሞተ።+ በዚ ኸምዚ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዐት።+ 4 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ይገዝእ ነበረ።+ 2 ላዕለዎት ሰበ ስልጣኑ* ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዓዛርያ ወዲ ጻዶቅ+ ካህን ነበረ፣ 3 ኤሊሖረፍን ኣሒያን፡ ደቂ ሺሻ፡ ጸሓፍቲ ነበሩ፣+ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ መዝጋቢ ነበረ፣ 4 በናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነበረ፣ ጻዶቅን ኣብያታርን+ ካህናት ነበሩ፣ 5 ዓዛርያ ወዲ ናታን+ ኣብ ልዕሊ ምስለኔታት ነበረ፣ ዛቡድ ወዲ ናታን ካህንን ፈታው ንጉስን ነበረ፣+ 6 ኣሒሻር ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ ነበረ፣ ኣዶኒራም+ ወዲ ዓብዳ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ነበረ።+ 7 ሰሎሞን ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል 12 ምስለኔታት ነበርዎ፣ ንሳቶም ንንጉስን ንቤተ ሰቡን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ንሓንቲ ወርሒ ኺምግቡ ሓላፍነት ነበሮም።+ 8 ስማቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ወዲ ሑር ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፣ 9 ወዲ ደቀር ኣብ ማቃዝን ሻዓልቢምን+ ቤት-ሸመሽን ኤሎን-ቤት-ሓናንን፣ 10 ወዲ ሔሰድ ኣብ ኣሩቦት (ሶኮን ኵላ ምድሪ ሔፈርን ናቱ ነበረ)፣ 11 ወዲ ኣቢናዳብ ኣብ ዓቐበት ዶር (ጣፋት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ዀነት)፣ 12 ባዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዓናክን መጊዶን+ ኣብ ኵላ ቤት-ሸኣንን፡+ እታ ኣብ ጥቓ ጻሬታን ብትሕቲ ይዝርኤል፡ ካብ ቤት-ሸኣን ክሳብ ኣቤል-መሖላ ኽሳብ ዞባ ዮቅመዓም+ ዘላ፣ 13 ወዲ ገበር ኣብ ራሞት-ጊልዓድ+ (እተን ኣብ ጊልዓድ+ ዘለዋ ዓድታት ድንኳን ያኢር+ ወዲ ምናሴ ናቱ ነበራ፣ እቲ ኣብ ባሳን+ ዘሎ ዞባ ኣርጎብ፡+ 60 ዓበይቲ ኸተማታት መምስ መካበብያአንን ተገዳማት ነሓስን እውን ናቱ ነበራ)፣ 14 ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ ማሓናዪም፣+ 15 ኣሒማዓጽ ኣብ ንፍታሌም (ንሱ እውን ንባስማት ጓል ሰሎሞን ሰበይቲ ኽትኰኖ ወሰዳ)፣ 16 ባዓና ወዲ ሑሻይ ኣብ ኣሴርን በዓሎትን፣ 17 ዮሳፋጥ ወዲ ጳሩኣሕ ኣብ ይሳኮር፣ 18 ሺምዒ+ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፣+ 19 ገበር ወዲ ኡሪ ኣብ ምድሪ ጊልዓድን+ ኣብ ምድሪ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያንን ዖግ+ ንጉስ ባሳንን። ኣብ ልዕሊ ዅሎም እዞም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ምስለኔታት ከኣ፡ ሓደ ምስለኔ ነበረ። 20 ይሁዳን እስራኤልን ከምቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ነበሩ፣+ ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ድማ ነበሩ።+ 21 ሰሎሞን ከኣ ካብቲ ፈለግ*+ ክሳብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳብ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶም ድማ ግብሪ ኣምጽኡሉ፡ ንሰሎሞን ከኣ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ይግዝእዎ ነበሩ።+ 22 ምግቢ ሰሎሞን ድማ ነንመዓልቲ 30 ቆሮስ* ድኹም ሓርጭን 60 ቆሮስ ሓርጭን 23 10 ስቡሓት ከብትን 20 ብዕራይ ካብ መጓሰይን 100 በጊዕን ነበረ፣ እዚ ኸኣ ብዘይካ እራባትን ሰስሓታትን ሜዳቛትን ስቡሓት ኣዕዋፍን* እዩ። 24 ከመይሲ፡ ንዅላ እታ ኽነጀው እቲ ፈለግ*+ ዘላ፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳብ ጋዛ፡+ እንተላይ ንዅሎም እቶም ክነጀው እቲ ፈለግ* ዝነበሩ ነገስታት ይገዝእ ነበረ፣ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ዘሎ ዅሉ ዞባ ድማ ሰላም ነበሮ።+ 25 ይሁዳን እስራኤልን ከኣ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ፡ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ብደሓን ይነብር ነበረ። "26 ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ 4,000* ጋጽ ኣፍራስን* 12,000 ፈረስን* ነበርዎ።+ " 27 እቶም ምስለኔታት እቲኦም ከኣ ንንጉስ ሰሎሞንን ንዅሎም እቶም ኣብ መኣዲ ንጉስ ሰሎሞን ዚበልዑን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ነንወርሑ ሓላፍነት ነበሮ፣ ገለ እኳ ኣየጕድሉን ነበሩ።+ 28 ንኣፍራስን ንጕጅለታት ኣፍራስን ኬድሊ ኸሎ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም እጃሙ፡ ስገምን ሓሰርን የምጽኡ ነበሩ። 29 ኣምላኽ ከኣ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ኣእምሮን፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን* ሃቦ።+ 30 ጥበብ ሰሎሞን ድማ ካብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በለጸ።+ 31 ካብ ዝዀነ ሰብ ይጠብብ ነበረ፣ ካብ ኤታን+ እቲ እዝራሓውን ካብ ሄማንን+ ካልኮልን+ ዳራዳዕን፡ ደቂ ማሖል፡ እውን ይጠብብ ነበረ። ዝናኡ ኸኣ ኣብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ ተዘርግሐ።+ "32 3,000 ምስላ+ ድማ መሰለ፣ መዝሙራቱ+ እውን 1,005 ነበረ።" 33 ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቍል ሃዛብ+ ይዛረብ ነበረ። ብዛዕባ እንስሳታትን+ ብዛዕባ ኣዕዋፍን*+ ብዛዕባ ለመምትን*+ ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ይዛረብ ነበረ። 34 ካብ ኵሎም ህዝብታት ከኣ፡ እንተላይ ካብቶም ብዛዕባ ጥበቡ ዝሰምዑ ነገስታት ኵላ ምድሪ፡ ጥበብ ሰሎሞን ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ።+ 16 ንየሁ+ ወዲ ሓናኒ+ ድማ ኣንጻር ባዕሳ ኸምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጾ፦ 2 “ካብ ሓመድ ኣተንሲአ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ገይረካ፣+ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ተመላሊስካ፡ ንህዝበይ እስራኤል ድማ ብሓጢኣቶም ምእንቲ ኬዀርዩኒ ኣሕጢእካዮም።+ 3 ስለዚ፡ ንባዕሳን ንቤቱን ክዅስትሮም እየ፣ ንቤቱ ድማ ከም ቤት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ። 4 እቲ ኻብ ባዕሳ ዘበለ ኣብ ከተማ ዚመውት፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፣ እቲ ኻብኡ ኣብ መሮር ዚመውት ከኣ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ኪበልዓኦ እየን።” 5 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ባዕሳ፡ እቲ ዝገበሮን እቲ ሓይሉን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 6 ባዕሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ቲርጻ+ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤላህ ነገሰ። 7 ከም ቤት የሮብዓም ብምዃን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብተግባር ኢዱ ኬዀርዮ ኢሉ ዅሉ ኽፍኣት ስለ ዝገበረን ንዕኡ* ስለ ዝቐተሎን፡ ብነብዪ የሁ ወዲ ሓናኒ ኣቢሉ፡ ቃል የሆዋ ኣንጻር ባዕሳን ቤቱን መጸ።+ 8 ኣብ መበል 26 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኤላህ ወዲ ባዕሳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት እውን ነገሰ። 9 ጊልያኡ ዚምሪ፡ እቲ ሓለቓ ፍርቂ ሰረገላታቱ፡ ውዲት ኣለመሉ፣ ንሱ ኣብ ቲርጻ፡ ኣብ ቤት ኣርጻ፡—ንሱ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቲርጻ ዘሎ ቤተ ሰብ እተሸመ እዩ፡—ክሳዕ ዚሰክር ይሰቲ ነበረ። 10 ዚምሪ ኸኣ ኣትዩ፡ ኣብ መበል 27 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ወቒዑ ቐተሎ፣+ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 11 ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ፡ ንዅሎም ቤት ባዕሳ ቐተሎም። ካብ ኣዝማዱ* ዀነ፡ ካብ ፈተውቱ ዀነ፡ ሓደ ተባዕታይ* እኳ ኣይነሓፈን። 12 በዚ ኸምዚ፡ ከምቲ የሆዋ ብነብዪ የሁ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ።+ 13 እዚ ዝዀነ ድማ ብሰሪ ዅሉ እቲ ባዕሳን ወዱ ኤላህን ዝገበርዎ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱ ጣኦታት ብምዅራይ ንእስራኤል ዘሕጥእዎን እዩ።+ 14 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኤላህ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 15 ኣብ መበል 27 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ እቶም ሰራዊት ኣንጻር ጊብቶን+ ናይ ፍልስጥኤማውያን ሰፊሮም ከለዉ፡ ዚምሪ ኣብ ቲርጻ ሸውዓተ መዓልቲ ነገሰ። 16 እቶም ሰፊሮም ዝነበሩ ሰራዊት ከኣ፡ “ዚምሪ ውዲት ኣሊሙ፡ ንንጉስ እውን ቀቲልዎ” ኺብሃል ሰምዑ። ኵሉ እስራኤል ድማ ንዖምሪ+ እቲ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገስዎ። 17 ዖምሪን ምስኡ ኸኣ ኵሎም እስራኤልን ካብ ጊብቶን ደዪቦም ንቲርጻ ኸበብዋ። 18 ዚምሪ ድማ እታ ኸተማ ኸም እተታሕዘት ምስ ረኣየ፡ ናብታ እተዓርደት ግምቢ ቤት* ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ኣብ ልዕሊኡ ኣንደዳ እሞ ሞተ።+ 19 እዚ ዝዀነ ኸኣ ብሰሪ እቲ ብመገዲ የሮብዓም እናኸደ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ብምግባር ዝሓጥኦ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦን እዩ።+ 20 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዚምሪን ውዲቱን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 21 ሽዑ፡ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተመቕለ። እቲ ሓደ ኽፍሊ እቲ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ኬንግሶ ደልዩ ሰዓቦ፣ እቲ ኻልኣይ ክፍሊ ድማ ንዖምሪ ሰዓቦ። 22 እቲ ንዖምሪ ዝሰዓበ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ዝሰዓበ ህዝቢ ሰዓሮ። ስለዚ፡ ቲብኒ ሞተ፡ ዖምሪ ድማ ነገሰ። 23 ኣብ መበል 31 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ዖምሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፡ 12 ዓመት እውን ነገሰ። ኣብ ቲርጻ ኸኣ ሽዱሽተ ዓመት ነገሰ። 24 ንኸረን ሰማርያ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት* ብሩር ዓደጎ፣ ኣብቲ ኸረን ከኣ ከተማ ሰርሐ። ነታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሸመር ወናኒ* እቲ ኸረን፡ ሰማርያ* ኢሉ ሰመያ።+ 25 ዖምሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ፣ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ድማ ዝኸፍአ ነበረ።+ 26 ብዅሉ መገዲ የሮብዓም ወዲ ናባጥን በቲ ንሱ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱ ጣኦታት ኬዀርይዎ ኢሉ ንእስራኤል ዘሕጥኦ ሓጢኣትን ተመላለሰ።+ 27 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዖምሪ፡ እቲ ዝገበሮን እቲ ሓያል ግብሩን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 28 ዖምሪ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ሰማርያ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣከኣብ+ ነገሰ። 29 ኣብ መበል 38 ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፣ ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ+ 22 ዓመት ነገሰ። 30 ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝኸፍአ ነበረ።+ 31 ብሓጢኣት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ምምልላስ ቀሊልዎስ፡ ንኢዛቤል+ ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶናውያን+ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ፣ ንበዓል ድማ ኣገልገሎን+ ሰገደሉን። 32 ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሃነጻ ቤት* በዓል+ ከኣ፡ ንበዓል መሰውኢ ኣቘመሉ። 33 ኣከኣብ ድማ ዓንዲ ኣምልኾ* ገበረ።+ ኣከኣብ ከኣ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንምዅራይ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ዝገደደ ገበረ። 34 ብዘመኑ ድማ ሒኤል እቲ ቤት-ኤላዊ ንያሪኮ ዳግም ሰርሓ። ከምቲ የሆዋ ብእያሱ ወዲ ነዌ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል ከኣ፡ መሰረታ ኼንብር ከሎ፡ ንኣቢራም እቲ በዅሩ ሰኣኖ፣ መዓጹኣ ኬቕውም ከሎ ድማ፡ ንሴጉብ እቲ ሕሳስ ልደኡ ሰኣኖ።+ 6 እስራኤላውያን* ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል 480 ዓመት፡+ ካብታ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰላ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚው*+ (ንሳ እታ ኻልአይቲ ወርሒ)፡ ንሱ ምህናጽ ቤት የሆዋ* ጀመረ።+ 2 እታ ሰሎሞን ንየሆዋ ዝሃነጸሉ ቤት ድማ፡ 60 እመት* ዝንውሓታ፡ 20 እመት ከኣ ዝግፍሓ፡ 30 እመት ድማ ዝቝመታ ነበረት።+ 3 እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ* ዝነበረ ገበላ ኸኣ፡+ 20 እመት ዝንውሓቱ፡* ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ነበረ።* ግፍሑ ድማ ካብ ቅድሚ እታ ቤት ዓሰርተ እመት ነበረ። 4 ነታ ቤት ከኣ እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅቲ* ገበረላ።+ 5 ኣብ መንደቕ እታ ቤት ኣጸጊዑ ድማ ህንጻ ሃነጸ፣ ኣብ ዙርያ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስን* እታ ውሽጣዊት ክፍልን ነበረ፣+ ኣብቲ ዙርያ ኸኣ ጐድናዊ ኽፍልታት ገበረ።+ 6 ገለ እኳ ናብ ውሽጢ መንደቕ እታ ቤት ኣትዩ ኸይተሓሓዝሲ፡ ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብደጊኣ ሕድጋት* ገይሩላ ነበረ እሞ፡ እቲ ታሕተዋይ ባይታ እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑ፡ እቲ ማእከላይ ባይታ ድማ ሽዱሽተ እመት ዝግፍሑ፡ እቲ ሳልሳይ ባይታ ኸኣ ሸውዓተ እመት ዝግፍሑ ነበረ።+ 7 እታ ቤት ኣብቲ እተፋሕረሉ ቦታ ብእተዳለወ ኣእማን እያ ተሃኒጻ እሞ፡+ እታ ቤት ክትህነጽ ከላ፡ ሞደሻታት ኰነ፡ ፋሳት ኰነ፡ ናውቲ ሓጺን ኰነ ኣይተሰምዐን። 8 መእተዊ እታ ታሕተወይቲ ጐድናዊት ክፍሊ ብሸነኽ ደቡብ* እታ ቤት ነበረ፣+ እቲ ዓንኬላዊ መደያይቦ ድማ ናብ ማእከላይ ባይታ፡ ካብ ማእከላይ ባይታ ኸኣ ናብ ሳልሳይ ባይታ ይመርሕ ነበረ። 9 ነታ ቤት ድማ ሃኒጹ ወድኣ፣+ ነታ ቤት ከኣ ብኣግማልን ብእተረብበ ኣልዋሕ ቄድሮስን ከደና።+ 10 ኣብ ዙርያ እታ ቤት፡ ነፍሲ ወከፉ ሓሓሙሽተ እመት ዝቝመቱ ጐድናዊ ኽፍልታት ሃነጸ፣+ እዚ ድማ ምስታ ቤት ብዕንጨይቲ ቄድሮስ ተላጊቡ ነበረ። 11 ሽዑ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ሰሎሞን መጸ፦ 12 “ብዛዕባ እዛ እትሃንጻ ዘለኻ ቤት፡ ብሕግታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ፍርድታተይ ድማ እንተ ፈጺምካ፡ ብእኡ ብምምልላስ ከኣ ኵሉ ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኻ፡+ እቲ ንኣቦኻ ዳዊት ዘተስፎኽዎ ቓል ኣባኻ ኽፍጽሞ እየ፣+ 13 ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ድማ ክነብር፡+ ንህዝበይ እስራኤል እውን ኣይክሓድጎን እየ።”+ 14 ሰሎሞን ከኣ ነታ ቤት ንምውዳኣ ይሃንጽ ነበረ። 15 ንውሽጣዊ መንደቕ እታ ቤት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሃነጾ። ነቲ ውሽጣዊ መንደቕ ድማ፡ ካብ ባይታ እታ ቤት ክሳብ ሰርወታት እቲ ሰንቀ ብዕንጨይቲ ረበቦ፣ ንባይታ እታ ቤት ከኣ ብኣልዋሕ ጽሕዲ* ኸደኖ።+ 16 ብሸነኽ ድሕሪት እታ ቤት ከኣ ናይ 20 እመት ክፋል፡ ካብቲ ባይታ ኽሳብ እቲ ሰርወታት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሃነጸ፣ ኣብ ውሽጣ* ድማ ውሽጣዊት ክፍሊ፡+ ቅድስተ ቕዱሳን+ ሃነጸ። 17 እታ ቤተ መቕደስ*+ ከኣ፡ ማለት እታ ኣብ ቅድሚኣ ዘላ ኽፋል እታ ቤት፡ 40 እመት ነበረት። 18 እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ዝነበረ ቄድሮስ፡ ሓምሓማትን+ ዝዓምበበ ዕምባባታትን+ እተቐርጾ ነበረ። ኵሉ ቄድሮስ ነበረ፣ እምኒ ድማ ኣይርአን ነበረ። 19 ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ከኣ፡ ኣብኣ ታቦት ኪዳን የሆዋ ንምንባር፡+ ውሽጣዊት ክፍሊ ኣዳለወ።+ 20 እታ ውሽጣዊት ክፍሊ 20 እመት ዝንውሓታን 20 እመት ዝግፍሓን 20 እመት ዝቝመታን ነበረት፣+ ንዓኣ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጣ፣ ነቲ መሰውኢ+ ኸኣ ብቄድሮስ ከደኖ። 21 ሰሎሞን ድማ ንውሽጢ እታ ቤት ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፣+ ኣብ ቅድሚ እታ ብወርቂ እተለበጠት ውሽጣዊት ክፍሊ+ ኸኣ ሰንሰለት ወርቂ ዘርግሐ። 22 ኵላ እታ ቤት ክሳዕ እትፍጸም፡ ንብዘላ እታ ቤት ብወርቂ ለበጣ፣ ንዅሉ እቲ ኣብ ጥቓ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ዘሎ መሰውኢ እውን ብወርቂ ለበጦ።+ 23 ኣብታ ውሽጣዊት ክፍሊ ድማ ዓዓሰርተ እመት ዝቝመቶም+ ክልተ ኪሩቤል+ ካብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ* ገበረ። 24 ሓንቲ ኽንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ካብ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳብ እታ ሓንቲ ኽንፊ ዓሰርተ እመት ነበረ። 25 እቲ ኻልኣይ ኪሩብ እውን ዓሰርተ እመት ነበረ። እቶም ክልተ ኪሩቤል ሕደ ዓቐንን ቅርጽን ነበሮም። 26 ቍመት እቲ ሓደ ኪሩብ ዓሰርተ እመት ነበረ፣ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ እውን ከምኡ ነበረ። 27 ነቶም ኪሩቤል+ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ውሽጣዊት ቤት* ኣንበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ተዘርጊሐን ነበራ እሞ፡ ክንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ኣብቲ መንደቕ በጽሐ፡ ክንፊ እቲ ኻልኣይ እውን ኣብቲ ኻልኣይ መንደቕ በጽሐ፣ እተን ኣኽናፎም ናብ ማእከል እታ ቤት ተዘርጊሐን ነበራ እሞ፡ እተን ኣኽናፍ ተተናኸያ። 28 ነቶም ኪሩቤል ድማ ብወርቂ ለበጦም። 29 ኣብ ኵሉ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ እታ ውሽጣዊት ክፍልን እታ ደጋዊት ክፍልን፡* ምስልታት ኪሩቤልን+ ኣእዋም ስየን+ ዝዓምበበ ዕምባባታትን+ ቀረጸ። 30 ነቲ ኣብታ ውሽጣዊት ክፍልን ኣብታ ደጋዊት ክፍልን ዘሎ ባይታ እታ ቤት ብወርቂ ለበጦ። 31 ንኣፍ ደገ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ፡ ካብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ መዓጹ ገበረ፣ ጐድናዊ ኣዕኑድ፡ ቀወምቲ ልዳውቲ፡ ሓምሻይ ኢድ* ገይሩ ገበረ። 32 እተን ክልተ ማዕጾ ኻብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ ነበራ፣ ኣብአን ከኣ ኪሩቤልን ኣእዋም ስየን ዝዓምበበ ዕምባባታትን ቀረጸ፣ ብወርቂ እውን ለበጠን። ነቲ ወርቂ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤልን እቲ ኣእዋም ስየን ቀጥቂጡ ዘርግሖ። 33 ንኣፍ ደገ እታ ቤተ መቕደስ፡* ከምኡ ገይሩ ቐወምቲ ልዳውቲ ኻብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ፡ ናይ ራብዓይ ኢድ* ገበረ። 34 ካብ ኦም ጽሕዲ* ድማ ክልተ ማዕጾ ገበረ። እቲ ሓደ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶ ዚዘውር ክልተ ኽፋል ነበሮ፡ እቲ ኻልኣይ ማዕጾ ኸኣ ኣብ ወንድወንዶ ዚዘውር ክልተ ኽፋል ነበሮ።+ 35 ኪሩቤልን ኣእዋም ስየን ዝዓምበበ ዕምባባታትን ቀሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕርጽታት ብወረቐት ወርቂ ለበጦ። 36 ነቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ+ ከኣ ብሰለስተ መስርዕ ውቑር ኣእማንን ብሓደ መስርዕ ኣግማል ቄድሮስን ሃነጾ።+ 37 ኣብ 4ይቲ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚው፡* መሰረት እታ ቤት የሆዋ ተሰረተ፣+ 38 ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ቡል፡* (ንሳ ሻምነይቲ ወርሒ)፡ እታ ቤት ምስ ኵሉ ዝርዝራታ፡ ከምቲ ውጥና ተፈጸመት።+ ስለዚ፡ ንምህናጻ ሸውዓተ ዓመት ወሰደ። 10 ንግስቲ ሳባ* ድማ ብዛዕባ ሰሎሞን ምስ ስም የሆዋ ዚተሓሓዝ ወረ ሰምዐት እሞ፡+ ብእተሓላለኸ ሕቶታት* ክትፍትኖ መጸት።+ 2 ምስ ኣዝዩ ዜደንቕ ዓጀባ፡*+ ዘይቲ በለሳንን+ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን ምስ እተጻዕና ኣግማል ኰይና ናብ የሩሳሌም መጸት። ናብ ሰሎሞን ኣትያ ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ተዛረበቶ። 3 ሰሎሞን ከኣ ኵሉ ሕቶታታ መለሰላ። ንጉስ ንዓኣ ኺገልጸላ ዝኸበዶ* ነገር ኣይነበረን። 4 ንግስቲ ሳባ፡ ኵሉ ጥበብ ሰሎሞንን+ እታ ዝሃነጻ ቤትን+ 5 ኣብ መኣዱ ዚቐርብ ምግብን+ ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣገልግሎት እቶም ኣሳሰይቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቲ መስተኡን ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዜቕርቦ ዚሓርር መስዋእቱን ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ።* 6 ንንጉስ ከኣ ከምዚ በለቶ፦ “እቲ ኣብ ሃገረይ ከለኹ ብዛዕባ ፍረ ዕዮኻን* ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ወረ ሓቂ እዩ። 7 መጺአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርእዮ ግና ነቲ ወረ ኣይኣመንክዎን ነይረ። እንሆ ድማ፡ ፍርቁ እኳ ኣይተነግረንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበልጽ ጥበብን ብልጽግናን ኣሎካ። 8 እቶም ሰብካ ሕጉሳት እዮም፡ እቶም ወትሩ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብሉን ጥበብካ ዚሰምዑን ገላዉኻ ሕጉሳት እዮም!+ 9 እቲ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኬንብረካ ባህ ዝበሎ የሆዋ ኣምላኽካ ይወደስ።+ የሆዋ ንእስራኤል ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ስለ ዘለዎ፡ ፍትሕን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንዓኻ ንጉስ ክትከውን ሸይሙካ።” 10 ንሳ ኸኣ ንንጉስ 120 ታለንት* ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ዘይቲ በለሳንን+ ክቡራት ኣእማንን+ ሃበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ዝምብዛሑ ዘይቲ በለሳን ከቶ መሊሱ ኣይመጸን። 11 እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኣ ጭፍራ መራኽብ ሒራም እውን፡+ ካብ ኦፊር ኣዝዩ ብዙሕ ዕንጨይቲ ሰንደልን+ ክቡራት ኣእማንን ኣምጽኣ።+ 12 ንጉስ ድማ ካብቲ ዕንጨይቲ ሰንደል ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን ዚኸውን መደገፊታት፡ ንዘመርቲ ዚኸውን መሰንቆታትን* በገናታትን ሰርሐ።+ ከምኡ ዝበለ ዕንጨይቲ ሰንደል ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸቶ መሊሱ ኣይመጸን ወይ ኣይተራእየን። 13 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ፡ ብዘይካ እቲ ኻብ ልግሱ ዝሃባ፡* ዝደለየቶን ዝለመነቶን ዘበለ ዅሉ ሃባ። ድሕርዚ፡ ንሳ ምስ ገላዉኣ ተመሊሳ ናብ ሃገራ ኸደት።+ 14 ሚዛን እቲ ናብ ሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዝመጸ ወርቂ 666 ታለንት ወርቂ ነበረ፣+ 15 እዚ ኸኣ ብዘይካ እቲ ኻብ ሰብ ሸቐጥን ካብ መኽሰብ ነጋዶን ካብ ኵሎም ነገስታት ኣዕራብን ካብ ሹማምንቲ እታ ምድርን ዚመጽእ ዝነበረ እዩ። 16 ንጉስ ሰሎሞን ድማ 200 ዓብዪ ዋልታ ሕዋስ ወርቅን+ (ነንሓደ ዓብዪ ዋልታ 600 ሲቃል* ወርቂ)+ 17 300 ንእሽቶ ዋልታ* ሕዋስ ወርቅን (ነንሓደ ንእሽቶ ዋልታ ሰለስተ ምና* ወርቂ) ሰርሐ። ንጉስ ከኣ ነዚ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።+ 18 ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሐ፡+ ብእተጻረየ ወርቂ እውን ለበጦ።+ 19 እቲ ዝፋን ከኣ ሽዱሽተ ደረጃ ነበሮ፣ እቲ ዝፋን ድማ ብድሕሪኡ ኸቢብ ጽላል ነበሮ፣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ኾፍ መበሊ ኸኣ መደገፍ ኢድ ነበሮ፣ ኣብ ጐድኒ እቲ መደገፊታት ኢድ ድማ ክልተ ኣንበሳ+ ደው ኢሎም ነበሩ። 20 ኣብቲ ሽዱሽተ ደረጃ 12 ኣንበሳ፡ ማለት ኣብ ክልቲኡ ጫፍ እቲ ሽዱሽተ ደረጃ ሓሓደ፡ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ዝገበረት ካልእ መንግስቲ ኣይነበረትን። 21 ኵሉ ኣቕሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ወርቂ ነበረ፣ ኵሉ ኣቕሑ ቤት ዱር ሊባኖስ+ ድማ ጽሩይ ወርቂ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን፡ ብሩር ገለ እኳ ኣይቍጸርን ነበረ እሞ፡ ብብሩር እተገብረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ 22 ንጉስሲ ኣብ ባሕሪ ምስ ጭፍራ መራኽብ ሒራም ጭፍራ መራኽብ ተርሲስ ነበራኦ።+ እተን ጭፍራ መራኽብ ተርሲስ ከኣ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን+ ህበይን ጣዎስን ተጻዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳእ ይመጻ ነበራ። 23 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ብሃብትን+ ብጥበብን+ ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዓበየ። 24 ኵሎም ህዝቢ ምድሪ ኸኣ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘንበሮ ጥበቡ ኺሰምዑ ኢሎም፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርእዩ ይደልዩ ነበሩ።+ 25 ነፍሲ ወከፎም ድማ ህያብ፡ ማለት ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ዘይቲ በለሳንን ኣፍራስን ኣባቕልን፡ ዓመት ዓመት የምጽኡ ነበሩ። "26 ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ኣፍራስን* ኣከበ፣ 1,400 ሰረገላን 12,000 ፈረስን* ከኣ ነበርዎ፣+ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ ጥቓ ንጉስ ኣብ የሩሳሌምን ድማ ኣቐመጦም።+ " 27 ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ዝምብዛሑ ገበሮ፣ ንዕንጨይቲ ቄድሮስ እውን ኣብ ሼፈላ ኸም ዘሎ ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።+ 28 ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ ይኣትዉ ነበሩ፣ ጕጅለ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ንኣፍራስ ብሕደ ዋጋ ብመጓሰ የምጽኡ ነበሩ።*+ 29 ካብ ግብጺ ዚኣቱ ዝነበረ ሰረገላ፡ ነንሓደ 600 ብሩር፡ ሓደ ፈረስ ድማ 150 የውጽእ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ ኵሎም ነገስታት ሔታውያንን+ ነገስታት ሶርያን ይሰድዱ ነበሩ። 14 በታ ግዜ እቲኣ፡ ኣብያ ወዲ የሮብዓም ሓመመ። 2 የሮብዓም ድማ ንሰበይቱ፡ “በጃኺ፡ ተንስኢ እሞ፡ ሰበይቲ የሮብዓም ምዃንኪ ኸይፍለጥሲ፡ ትርኢትኪ ለውጢ፡ ናብ ሺሎ ኸኣ ኪዲ። እንሆ፡ ነብዪ ኣሒያ ኣብኣ ኣሎ። ንሱ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝነግስ እተዛረበ እዩ።+ 3 ዓሰርተ እንጌራን እተነስነሶ ሕምባሻን ሳርማ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ እዚ ቘልዓ እንታይ ከም ዚኸውን ኪነግረኪ እዩ” በላ። 4 ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ከምቲ ዝበላ ገበረት። ተንሲኣ ናብ ሺሎ ኸደት፡+ ናብ ቤት ኣሒያ ኸኣ መጸት። ኣዒንቲ ኣሒያ ብእርጋን ፈዚዘን ነበራ፡ ኪርኢ እውን ኣይክእልን ነበረ። 5 የሆዋ ግና ንኣሒያ፡ “እንሃ፡ ሰበይቲ የሮብዓም፡ ወዳ ስለ ዝሓመመ፡ ብዛዕባኡ ኽትሓትተካ ትመጽእ ኣላ። እንታይ ከም እትብላ ኽነግረካ እየ።* መንነታ ሓቢኣ ኽትመጽእ እያ” በሎ። 6 ኣሒያ ኸኣ ንሳ ናብ ኣፍ ደገ ኽትመጽእ ከላ ደሃይ ኣእጋራ ምስ ሰምዐ፡ “ኣቲ ሰበይቲ የሮብዓም፡ እተዊ። ስለምንታይ ኢኺ መንነትኪ ሓቢእኪ ዘለኺ፧ ብርቱዕ መልእኽቲ ኽነግረኪ ተመዲበ ኣለኹ። 7 ኪዲ እሞ ንየሮብዓም ከምዚ በልዮ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “ካብ መንጎ ህዝብኻ ኣተንሲአ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ገይረካ።+ 8 መንግስቲ ኻብ ቤት ዳዊት ቀዲደ ድማ ሂበካ።+ ንስኻ ግና፡ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሓለወን ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ጥራይ ብምግባር ብምሉእ ልቡ ደድሕረይ ዝኸደን ጊልያይ ዳዊት ኣይኰንካን።+ 9 የግዳስ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ዝኸፍአ ጌርካ፣ ከተዀርየኒ ኸኣ ካልእ ኣምላኽን ፍሱስ ምስልታትን ጌርካ፣+ ንዓይ ድማ ዝባንካ መሊስካለይ።+ 10 ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት የሮብዓም መዓት ከምጽእ እየ፣ ካብ የሮብዓም ድማ ተባዕታይ ዘበለ፡* እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ። ከምቲ ፋንድያ ኽሳዕ ዚውገድ ዚዅስተር ገይረ ኸኣ፡ ንቤት የሮብዓም ክዅስትራ እየ።+ 11 የሆዋ ተዛሪቡ ኣሎ እሞ፡ እቲ ኻብ የሮብዓም ዘበለ ኣብ ከተማ ዚመውት፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፣ እቲ ኣብ መሮር ዚመውት ድማ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ኪበልዓኦ እየን።”’ 12 “ሕጂ ተንሲእኪ ናብ ቤትኪ ኺዲ። እግርኺ ናብ ከተማ ኽትኣቱ ኸላ፡ እቲ ቘልዓ ኺመውት እዩ። 13 ካብ ቤት የሮብዓም፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ገለ ጽቡቕ ነገር ዝረኸበሉ ንሱ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ስድራ ቤት የሮብዓም ንሱ በይኑ ኣብ መቓብር ኪንበር እዩ እሞ፡ ኵሎም እስራኤል ኪሓዝኑሉን ኪቐብርዎን እዮም። 14 የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዚዀኖ ኼተንስእ እዩ፣ ንሱ ድማ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ እወ ሕጂ እውን ከይተረፈ፡ ንቤት የሮብዓም ኬጥፍኣ እዩ።+ 15 የሆዋ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣብ ማይ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፡ ኪወቕዖ እዩ፣ ንየሆዋ ኬዀርዩ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡+ ንእስራኤል ካብዛ ንኣቦታቶም ዝሃቦም ጽብቕቲ ምድሪ ኺምሕዎም፡+ ናብ ስግር እቲ ፈለግ* እውን ፋሕ ኬብሎም እዩ።+ 16 ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦምን፡ ንእስራኤል ኪጥንጥኖ እዩ።”+ 17 ሽዑ፡ ሰበይቲ የሮብዓም ተንሲኣ ኸደት፡ ናብ ቲርጻ እውን መጸት። ናብ ድርኵዂት ቤታ ምስ በጽሐት ከኣ፡ እቲ ቘልዓ ሞተ። 18 ከምቲ የሆዋ ብጊልያኡ ነብዪ ኣሒያ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል ድማ፡ ቀበርዎ፡ ኵሎም እስራኤል እውን ሓዘኑሉ። 19 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ የሮብዓም ከኣ፡ እቲ እተዋግኦን+ እቲ ዝነገሶን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 20 እቲ የሮብዓም ዝነገሰሉ ዘመን* ድማ 22 ዓመት እዩ፣ ድሕርዚ፡ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ናዳብ ነገሰ።+ 21 ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 41 ዓመት ነበረ፣ ኣብታ የሆዋ ስሙ ኼንብረላ+ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኸተማ የሩሳሌም+ ከኣ 17 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ናዓማ እዩ፣ ንሳ ዓሞናዊት እያ።+ 22 ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ፣+ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዚበዝሕ ሓጢኣት ብምግባር ከኣ ኣቘጥዕዎ።+ 23 ንሳቶም እውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዅርባን+ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን፡+ በረኽትን ሓወልትታት ኣምልኾን ኣዕኑድ ኣምልኾን* ይሰርሑ ነበሩ።+ 24 ኣብታ ምድሪ ድማ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ነበሩ።+ ከም ኵሉ ፍንፉን ነገራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ ከኣ ይገብሩ ነበሩ። 25 ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ንጉስ ሮብዓም ድማ፡ ሺሻቅ+ ንጉስ ግብጺ ኣንጻር የሩሳሌም ደየበ።+ 26 መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ከኣ ወሰደ።+ ኵሉ ነገራት፡ እንተላይ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዋላቱ ወርቂ ወሰደ።+ 27 ንጉስ ሮብዓም ከኣ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ነሓሲ ገበረ፣ ነዚ ድማ ንኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ሓለውቲ* ብሕድሪ ሃቦም። 28 ንጉስ ናብ ቤት የሆዋ ምስ ዚመጽእ፡ እቶም ሓለውቲ ነዚ ይጾርዎ ነበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ክፍሊ ሓለውቲ ይመልስዎ ነበሩ። 29 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሮብዓም ከኣ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 30 ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ውግእ ነበረ።+ 31 ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ።+ ስም ኣዲኡ ናዓማ እዩ፣ ንሳ ዓሞናዊት እያ።+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣብያም*+ ነገሰ። 9 ሰሎሞን፡ ህንጸት ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን+ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ኪሰርሖ እተመነዮን ምስ ወድአ፡+ 2 የሆዋ ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተራእዮ፡ ካልኣይ ሳዕ ተራእዮ።+ 3 የሆዋ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዘቕረብካዮ ጸሎትካን ናይ ሞገስ ልማኖኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ። ነዛ ዝሃነጽካያ ቤት እዚኣ፡ ስመይ ንሓዋሩ ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ፣+ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ወትሩ ኣብኣ ኪኸውን እዩ።+ 4 ንስኻ ድማ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ብምግባር፡+ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ፡+ ብንጽህና ልብን+ ብቕንዕናን+ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላሊስካ፡ ስርዓታተይን ፍርድታተይን እውን እንተ ሓሊኻ፡+ 5 ሽዑ ኣነ ኸምቲ ንኣቦኻ ዳዊት፡ ‘ካባኻ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’ ኢለ ዘተስፎኽዎ፡ ዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዕ እየ።+ 6 ግናኸ፡ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ እንተ ተመሊስኩም፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ትእዛዛተይን ሕግታተይን እንተ ዘይሓሊኹምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምዎምን እንተ ሰጊድኩምሎምን፡+ 7 ንእስራኤል ካብ ገጽ እዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽምንቍሶም እየ፣+ ነታ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፣+ እስራኤል ድማ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ።+ 8 እዛ ቤት እዚኣ ኸኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ።+ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ድማ ተገሪሙ ኺጥምታ፡ ኪፋጺ፡ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዚ ዝገበረን ስለምንታይ እዩ፧’ እውን ኪብል እዩ።+ 9 ሽዑ፡ ‘ነቲ ንኣቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሓዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ። ስለዚ እዩ የሆዋ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሊኦም ዘምጽአ’ ኺብሉ እዮም።”+ 10 ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፡ ማለት ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን፡ ዝሃነጸለን 20 ዓመት፡+ 11 ሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን፡ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ዕንጨይቲ ጽሕድን* ዝደለዮ ዅሉ ወርቅን ስለ ዘቕረበሉ፡+ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ምድሪ ገሊላ 20 ኸተማ ሃቦ። 12 ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ኪርእየን ካብ ጢሮስ ወጸ፣ ግናኸ፡ ብኣታተን ኣይዓገበን።* 13 “ሓወየ፡ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ዓይነት ከተማታት እየን፧” ከኣ በሎ። ንሳተን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምድሪ ካቡል* ተባሂለን ተሰምያ። 14 ሒራም ከኣ ንንጉስ ሰሎሞን 120 ታለንት* ወርቂ ሰደደሉ።+ 15 ጸብጻብ እቶም ንጉስ ሰሎሞን፡ ቤት የሆዋን+ ቤቱን* እቲ ዅምራን*+ መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን+ መጊዶን+ ጌዘርን+ ኪሃንጹ ዝኣከቦም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ እዚ እዩ።+ 16 (ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሓዛ፡ ብሓዊ ኸኣ ኣንደዳ፣ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ድማ ቀተሎም።+ ንጓሉ፡ ንሰበይቲ ሰሎሞን ከኣ ህያብ ስንብታ* ገይሩ ሃባ።)+ 17 ሰሎሞን ድማ ንጌዘርን ንታሕተዋይ ቤት-ሖሮንን+ ሰርሐን፣* 18 ከምኡ እውን ንበዓላትን+ ነታ ኣብ በረኻ ኣብ ውሽጢ እታ ምድሪ ዘላ ታማርን 19 ንዅለን ናይ ሰሎሞን ከተማታት መኽዘንን ንኸተማታት ሰረገላን+ ንኸተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵላ ምድሪ ግዝኣቱን ኪሰርሖ እተመነዮ ዘበለን ሰርሐ። 20 ኵሎም እቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡+ ካብ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ዘይኰኑ ህዝቢ፡+ 21 እቶም እስራኤላውያን ኬጥፍእዎም ዘይከኣሉ ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ዘርኦም፡ ሰሎሞን ንዓታቶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብግዲ ዚሽቅሉ ባሮት ገበሮም።+ 22 እስራኤላውያን ግና ተዋጋእቱን ገላዉኡን መሳፍንቱን ሓገዝቱን ኣሕሉቕ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ነበሩ እምበር፡ ሰሎሞን ካባታቶም ባሮት ኣይገበረን።+ 23 ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሓለፍቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ዚዓዪ ህዝቢ ዝነበሩ ኣዘዝቲ 550 ነበሩ።+ 24 ጓል ፈርኦን+ ግና ካብ ከተማ ዳዊት+ ናብታ ዝሃነጸላ ቤታ ደየበት። ሽዑ፡ ነቲ ዅምራ* ሃነጾ።+ 25 ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንየሆዋ ዝሰርሓሉ መሰውኢ፡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣቕረበ፣+ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ እውን ይዓጥን ነበረ። ነታ ቤት ከኣ ወድኣ።+ 26 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብታ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮን-ገበር፡+ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶም ጭፍራ መራኽብ ሰርሐ።+ 27 ሒራም ከኣ ምስተን ጭፍራ መራኽብ፡+ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ኰይኖም ዚዓይዩ ምኩራት ባሕረኛታት ዝዀኑ ገላዉኡ ሰደደ። 28 ናብ ኦፊር+ ከይዶም ድማ፡ ካብኣ 420 ታለንት ወርቂ ወሰዱ፣ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣምጽእዎ። 13 የሮብዓም ኪዓጥን ኣብ ጥቓ መሰውኢ+ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ+ ብቓል የሆዋ ኻብ ይሁዳ ናብ ቤት-ኤል መጸ። 2 ብቓል የሆዋ ኸኣ ኣንጻር እቲ መሰውኢ ኸምዚ ኢሉ ጨደረ፦ “ኦ መሰውኢ፡ መሰውኢ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንቤት ዳዊት፡ ዮስያስ+ ዝስሙ ወዲ ኺውለደላ እዩ። ንሱ ነቶም ኣብ ልዕሌኻ ዚዓጥኑ ኻህናት በረኽቲ ኣብ ልዕሌኻ ኺስውኦም፡ ኣዕጽምቲ ሰባት እውን ኣብ ልዕሌኻ ኼንድድ እዩ።’”+ 3 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ከምዚ ኢሉ ትእምርቲ ሃበ፦ “እቲ የሆዋ እተዛረቦ ትእምርቲ እዚ እዩ፦ እንሆ፡ እቲ መሰውኢ ኺጭደድ እዩ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓምዅሽቲ* ኸኣ ኪክዖ እዩ።” 4 ንጉስ ድማ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣንጻር እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መሰውኢ ዝጨደሮ ቓል ምስ ሰምዐ፡ የሮብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ፡ “ሓዝዎ!” በለ።+ ብኡብኡ፡ እታ ዝዘርግሓሉ ኢዱ ነቐጸት፣* ኪመልሳ ኸኣ ኣይከኣለን።+ 5 ከምቲ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ብቓል የሆዋ ዝሃቦ ትእምርቲ ድማ፡ እቲ መሰውኢ ተጨድደ፡ እቲ ሓምዅሽቲ እውን ተኻዕወ። 6 ሽዑ፡ ንጉስ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “ኢደይ ክትምለሰለይሲ፡ በጃኻ፡ ሞገስ የሆዋ ኣምላኽካ ለምን፡* ምእንታይ እውን ጸሊ” በሎ።+ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ሞገስ የሆዋ ለመነ፡ ኢድ ንጉስ ድማ ናብ ቀደማ ተመልሰት። 7 ንጉስ ከኣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “ምሳይ ናብ ቤት ንዓናይ እሞ ምግቢ ብላዕ፣ ህያብ እውን ክህበካ” በሎ። 8 እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ግና ንንጉስ፡ “ፍርቂ ቤትካ እኳ እንተ ትህበኒ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ምሳኻ ኣይከይድን፡ እንጌራ ድማ ኣይበልዕን፡ ማይ እውን ኣይሰትን እየ። 9 ከመይሲ፡ ‘እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ እውን ኣይትስተ፣ በታ ዝኸድካላ መገዲ ኸኣ ኣይትመለስ’ ተባሂለ ብቓል የሆዋ ተኣዚዘ እየ” በሎ። 10 ብኻልእ መገዲ ድማ ከደ፣ በታ ናብ ቤት-ኤል ዝመጸላ መገዲ ኸኣ ኣይተመልሰን። 11 ሓደ ኣረጊት ነብዪ ድማ ኣብ ቤት-ኤል ይቕመጥ ነበረ፣ ደቁ ናብ ቤት መጺኦም ከኣ ኵሉ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ነገርን ንንጉስ እተዛረቦ ዘረባን ኣዘንተዉሉ። ንኣቦኦም ምስ ኣዘንተዉሉ ድማ፡ 12 ኣቦኦም፡ “በየነይቲ መገዲ ኸይዱ፧” ኢሉ ሓተቶም። እቶም ደቁ ኸኣ፡ ነታ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ዝኸደላ መገዲ ኣርኣይዎ። 13 ንሱ ድማ ንደቁ፡ “ኣድጊ ጽዓኑለይ” በሎም። ኣድጊ ኸኣ ጸዓኑሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ እውን ተወጥሐ። 14 ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ሰዓቦ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ ዓብዪ ኦም ተቐሚጡ ረኸቦ። “እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ንስኻ ዲኻ፧” ከኣ በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። 15 ንሱ ኸኣ፡ “ምሳይ ናብ ቤት ንዓናይ እሞ፡ እንጌራ ብላዕ” በሎ። 16 ንሱ ግና፡ “ምሳኻ ክኸይድን ዕድመኻ ክቕበልን ኣይክእልን እየ፣ ምሳኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንጌራ ኣይበልዕን፡ ማይ እውን ኣይሰትን እየ። 17 ከመይሲ፡ ‘እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ እውን ኣይትስተ፣ በታ ዝኸድካላ መገዲ ኸኣ ኣይትመለስ’ ተባሂለ ብቓል የሆዋ ተኣዚዘ እየ” በሎ። 18 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኣነ እውን ከማኻ ነብዪ እየ፣ ሓደ መልኣኽ ከኣ፡ ‘እንጌራ ኺበልዕን ማይ ኪሰትን ምሳኻ ናብ ቤትካ ምለሶ’ ኢሉ ብቓል የሆዋ ተዛሪቡኒ” በሎ። (ግናኸ፡ ኣታሊልዎ እዩ።) 19 ኣብ ቤቱ እንጌራ ኺበልዕን ማይ ኪሰትን ድማ፡ ምስኡ ተመልሰ። 20 ኣብ መኣዲ ኾፍ ኢሎም ከለዉ ኸኣ፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ቓል የሆዋ መጾ፣ 21 ንሱ ድማ ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ኢሉ ጨደረሉ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ካብ ትእዛዝ የሆዋ ስለ ዝዓሎኻን ነቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ስለ ዘይሓሎኻዮን፡ 22 የግዳስ ኣብታ ብዛዕባኣ፡ “እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ እውን ኣይትስተ” እተባህለላ ቦታ እንጌራ ኽትበልዕን ማይ ክትሰትን ስለ እተመለስካ፡ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኪኣቱን እዩ።’”+ 23 እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እንጌራ ምስ በልዐን ምስ ሰተየን ከኣ፡ እቲ ኣረጊት ነብዪ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ኣድጊ ጸዓነሉ። 24 ንሱ ድማ ከደ፣ ግናኸ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ፡ ቀተሎ።+ ሬሳኡ ኸኣ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፣ እቲ ኣድጊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፣ እቲ ኣንበሳ እውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ። 25 ዚሓልፉ ሰባት ከኣ እቲ ሬሳ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳ እውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረኣዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዚነብረላ ኸተማ ኣትዮም ድማ፡ እዚ ነገሩ። 26 እቲ ኻብ መገዲ ዝመለሶ ነብዪ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ፡ “ንሱ እቲ ኻብ ትእዛዝ የሆዋ ዝዓለወ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እዩ፣+ ከምቲ ንዕኡ እተዛረቦ ቓል የሆዋ፡ ኪሰብሮን ኪቐትሎን ኢሉ የሆዋ ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ” በለ።+ 27 ንደቁ ድማ፡ “ኣድጊ ጽዓኑለይ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ጸዓኑሉ። 28 ንሱ ድማ ከይዱ ነቲ ሬሳ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፣ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣንበሳ ድማ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊ እውን ኣይሰበሮን። 29 እቲ ነብዪ ኸኣ ንሬሳ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣልዒሉ፡ ኣብቲ ኣድጊ ጽዒኑ፡ ኪሓዝነሉን ኪቐብሮን ናብ ከተማኡ መለሶ። 30 ነቲ ሬሳ ድማ ኣብ መቓብሩ ኣንበሮ፣ “ዋይ ሓወይ” ኢሎም ከኣ በኸዩሉ። 31 ምስ ቀበሮ ድማ፡ ንደቁ፡ “ምስ ሞትኩ፡ ኣብታ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እተቐብረላ ቕበሩኒ። ንኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብርዎ።+ 32 እቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መሰውእን ኣንጻር ኵሉ እቲ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣብ በረኽቲ ዘሎ ኣባይቲ ኣምልኾን+ ብቓል የሆዋ ዝጨደሮ ቓል ብርግጽ ኪፍጸም እዩ” በሎም።+ 33 እዚ ድሕሪ ምዃኑ እኳ፡ የሮብዓም ካብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰን፣ የግዳስ፡ ካብ ማንም ህዝቢ ንበረኽቲ ዚዀኑ ኻህናት ይሸይም ነበረ።+ ንዝደለየ ዘበለ ኸኣ፡ “ሓደ ኻብቶም ንበረኽቲ ዚኸውን ካህናት ይኹን” እናበለ ኻህን ኪኸውን ይሸይም* ነበረ።+ 34 እዚ ሓጢኣት ቤተ ሰብ የሮብዓም እዚ፡+ ካብ ገጽ ምድሪ መጥፍኢኦምን መጽነቲኦምን ኰነ።+ 5 ሒራም ኵሉ ሳዕ ፈታው ዳዊት ነበረ እሞ፡ ሒራም ንጉስ ጢሮስ፡+ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኺነግስ ከም እተቐብአ ምስ ሰምዐ፡ ንሰሎሞን ገላዉኡ ሰደደሉ።+ 2 ሰሎሞን ድማ ንሒራም ከምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦+ 3 “ኣቦይ ዳዊት ብሰሪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፡ የሆዋ ንጸላእቱ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግሩ ኽሳዕ ዚገብሮም፡ ንስም የሆዋ ኣምላኹ ቤት ኪሃንጽ ከም ዘይከኣለ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ 4 ሕጂ ግና የሆዋ ኣምላኸይ ብዅሉ ሸነኽ ኣዕሪፉኒ እዩ።+ ሓደ እኳ ተጻራሪ የልቦን፡ ገለ ኽፉእ ነገር እውን የልቦን።+ 5 ስለዚ፡ ከምቲ የሆዋ ንዳዊት ኣቦይ፡ ‘እቲ ኣብ ክንዳኻ ኣብ ዝፋንካ ዘንብሮ ወድኻ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ኪሃንጽ እዩ’ ኢሉ እተዛረቦ፡ ንስም የሆዋ ኣምላኸይ ቤት ክሃንጽ እሓስብ ኣለኹ።+ 6 ሕጂ ኸኣ፡ ካባናስ ከም ሲዶናውያን ገይሩ ምቝራጽ ኣእዋም ዚፈልጥ የልቦን እሞ፡ ንህዝብኻ ኻብ ሊባኖስ ቄድሮሳት ኪቘርጹለይ ኣዝዞም።+ ገላዎይ ድማ ምስ ገላዉኻ ኺዓይዩ እዮም፣ ንገላዉኻ ኸኣ ከም ኵሉ እቲ እትብለኒ ገይረ ዓስቦም ክኸፍሎም እየ።”+ 7 ሒራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ፡ “ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዚ ዓብዪ* ህዝቢ እዚ ጥበበኛ ወዲ ሂብዎ እዩ እሞ፡ የሆዋ ሎሚ ይወደስ” በለ።+ 8 ሒራም ድማ ናብ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦ “ነቲ ዝለኣኽካለይ መልእኽቲ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ብዛዕባ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ጽሕድን* ከኣ፡ ኣነ ዅሉ ዝደለኻዮ ኽገብር እየ።+ 9 ገላዎይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኼውርድዎ እዮም፣ ኣነ ድማ ጠሚረ ብባሕሪ ገይረ ናብታ ዝበልካኒ ቦታ ኸብጽሖ እየ። ኣብኡ ኸኣ ክፈትሖ እየ፡ ንስኻ ድማ ጾይርካ ትወስዶ። ንስኻ ኸኣ ብተራኻ ንቤተ ሰበይ ዝሓትተካ ምግቢ ኽትህብ ኢኻ።”+ 10 ሒራም ድማ ንሰሎሞን ኵሉ እቲ ዝደለዮ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ጽሕድን* ሃቦ። "11 ሰሎሞን ከኣ ንሒራም፡ ንቤተ ሰቡ ምግቢ ዚኸውን 20,000 ቆሮስ* ስርናይን 20 ቆሮስ ኣዝዩ ብሉጽ ዘይቲ ኣውልዕን* ሃቦ። ሰሎሞን ንሒራም ዓመት ዓመት ከምኡ ይህቦ ነበረ።+" 12 የሆዋ ድማ ንሰሎሞን፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ጥበብ ሃቦ።+ ኣብ መንጎ ሒራምን ሰሎሞንን ከኣ ሰላም ነበረ፣ ክልቲኦም ድማ ውዕል* ገበሩ። "13 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ኣከበ፣ 30,000 ሸቃሎ ድማ ኣከበ።+" "14 በብእብረ ኸኣ በብወርሒ 10,000 ናብ ሊባኖስ ይሰድዶም ነበረ። ሓደ ወርሒ ኣብ ሊባኖስ፡ ክልተ ወርሒ ድማ ኣብ ቤቶም ይነብሩ ነበሩ፣ ኣዶኒራም+ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ነበረ።" "15 ሰሎሞን ድማ፡ 70,000 ተራ ሸቃሎ፡* 80,000 እውን ወቐርቲ ኣእማን+ ኣብ ኣኽራን ነበርዎ፣+" "16 ነቶም ዓየይቲ ዚቈጻጸሩ ኣዘዝቲ ዚዀኑ ኸኣ 3,300 ተቘጻጸርቲ ሓለፍቲ+ ነበርዎ።" 17 ብትእዛዝ ንጉስ ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ብውቑር ኣእማን+ ኪስረት፡+ ዓበይቲ ኣእማንን ክቡራት ኣእማንን+ ፈንቂሎም ኣውጽኡ። 18 ሃነጽቲ ሰሎሞንን ሃነጽቲ ሒራምን እቶም ጌባላውያንን+ ከኣ ይወቕሩ ነበሩ፣ ነታ ቤት ንምህናጽ ድማ ኣዕጫውን ኣእማንን ኣዳለዉ። 21 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኰነ፡ ንናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ኣብ ይዝርኤል፡+ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣከኣብ ንጉስ ሰማርያ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። 2 ኣከኣብ ንናቦት፡ “ኣታኽልቲ ወይንኻ ኣብ ጥቓ ቤተይ ስለ ዝዀነ፡ ስፍራ ኣሕምልቲ ኪዀነኒ ሃበኒ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ እየ። ወይ እንተ ደሊኻ፡ ዋጋኡ ብገንዘብ ክህበካ እየ” በሎ። 3 ናቦት ግና ንኣከኣብ፡ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ” በሎ።+ 4 ኣከኣብ ከኣ በቲ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ “ርስቲ ኣቦታተይ ኣይህበካን እየ” ኢሉ ዝመለሰሉ ቓል ኰርዩን ጕህዩን ናብ ቤቱ ኣተወ። ገጹ ንንየው መሊሱ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ እሞ፡ እንጌራ ምብላዕ ኣበየ። 5 ሰበይቱ ኢዛቤል+ ድማ ናብኡ መጺኣ፡ “እንጌራ ምብላዕ ክሳዕ እትኣቢ ዝጐሃኻስ* ስለምንታይ ኢኻ፧” በለቶ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ንናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ‘ኣታኽልቲ ወይንኻ ብገንዘብ ሃበኒ። ወይ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ’ ኢለዮ። ንሱ ግና፡ ‘ኣታኽልቲ ወይነይ ኣይህበካን እየ’ ኢሉኒ” በላ። 7 ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነጊስካ ዘለኻስ ንስኻ ደይኰንካን፧ ተንስእ፡ እንጌራ ብላዕ፡ ልብኻ እውን ይተሓጐስ። ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ።+ 8 ብስም ኣከኣብ ደብዳበታት ጽሒፋ፡ ብማሕተሙ ኸኣ ሓቲማ፡+ ነተን ደብዳበታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ዚነብሩ ዓበይትን+ ልዑላንን ሰደደተን። 9 ኣብተን ደብዳበታት ድማ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ጾም ኣውጁ፡ ንናቦት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ። 10 ኣብ ቅድሚኡ ድማ ክልተ ዘይጠቕሙ ሰባት ኣቐምጡ እሞ፡ ንሳቶም፡ ‘ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ’+ ኢሎም ይመስክሩሉ።+ ኣውጺእኩም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎ።”+ 11 እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብታ ኸተማኡ ዚነብሩ ዓበይትን ልዑላንን፡ ከምቲ ኣብተን ኢዛቤል ዝለኣኸትሎም ደብዳበታት ተጻሒፉ ዝነበረ ገበሩ። 12 ጾም ኣወጁ፡ ንናቦት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ። 13 ክልተ ዘይጠቕሙ ሰባት መጺኦም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ፡ “ናቦት ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙ” ኢሎም ንናቦት መስከሩሉ።+ ናብ ወሰን እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ 14 ሽዑ፡ “ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ” ኢሎም ንኢዛቤል ለኣኹላ።+ 15 ኢዛቤል ድማ ናቦት ብዳርባ እምኒ ኸም እተቐትለ ምስ ሰምዐት፡ ንኣከኣብ፡ “ናቦት ብህይወት የሎን፡ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ምሃብ ዝኣበየካ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ተረስተዮ” በለቶ።+ 16 ኣከኣብ ከኣ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡ ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ኺርስተዮ ኢሉ፡ ተንሲኡ ናብኡ ወረደ። 17 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ናብ ኤልያስ+ እቲ ቲሽባዊ መጸ፦ 18 “ተንስእ እሞ ነቲ ኣብ ሰማርያ+ ዘሎ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ክትረኽቦ ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኺርስተዮ ኢሉ ዝኸዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ኣሎ። 19 ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰብ ቀቲልካስ+ ተረስቲኻዮዶ፧”’+ ከምዚ ኢልካ ድማ ተዛረቦ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብታ ኣኽላባት ደም ናቦት ዝለሓሱላ ቦታ፡ ኣኽላባት ደምካ ኺልሕሱ እዮም።”’”+ 20 ኣከኣብ ከኣ ንኤልያስ፡ “ኣታ ጸላእየይ፡ ረኺብካኒዶ፧” በሎ።+ ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እወ ረኺበካ። ‘ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ክትገብር ስለ ዝቘረጽካ፡*+ 21 እንሆ ኣነ መዓት አምጽኣልካ ኣለኹ፣ ስዒበ ክዅስትረካ እየ፡ ካብ ኣከኣብ ከኣ ተባዕታይ ዘበለ፡*+ እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ።+ 22 ኣቘጢዕካንን ንእስራኤል ኣሕጢእካዮን ኢኻ እሞ፡ ንቤትካ ኸም ቤት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ+ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ።’ 23 ብዛዕባ ኢዛቤል እውን፡ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ፦ ‘ንኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም።+ 24 እቲ ኻብ ኣከኣብ ዘበለ ኣብ ከተማ ዚመውት፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፣ እቲ ኣብ መሮር ዚመውት ድማ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ኪበልዓኦ እየን።+ 25 ብሰበይቱ ኢዛቤል እናተደፋፍአ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ንምግባር ዝቘረጸ* ኸም ኣከኣብ ዝበለ ኸቶ ኣይነበረን።+ 26 ከምቲ ዅሎም እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣሞራውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት* ብምስዓብ፡ ኣመና ፍንፉን ነገር ገይሩ እዩ።’”+ 27 ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ሰብነቱ ብማቕ ከደነ፡ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ደቀሰ፡ ጕህዩ ድማ ይኸይድ ነበረ። 28 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ናብ ኤልያስ እቲ ቲሽባዊ መጸ፦ 29 “ኣከኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ፧+ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ነቲ መዓት ብዘመኑ ኣይከምጽኦን እየ። ነቲ መዓትሲ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸምጽኦ እየ።”+ 15 ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ፡ ኣብያም ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።+ 2 ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ እዩ፣+ ንሳ ጓል ጓሉ ንኣቢሻሎም እያ። 3 ንሱ ብዅሉ እቲ ኣቦኡ ቕድሚኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ተመላለሰ፣ ልቡ ድማ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ ኣይነበረን።* 4 የሆዋ ኣምላኹ ግና፡ ምእንቲ ዳዊት ኢሉ፡+ ብድሕሪኡ ወዱ ብምትንሳእን ንየሩሳሌም ብዘይምጥፋእን፡ ኣብ የሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ።+ 5 ከመይሲ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብዘይካ ኣብ ናይ ኡርያ እቲ ሔታዊ ነገር ድማ፡+ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ኻብቲ ዝኣዘዞ ዘበለ ኣየልገሰን። 6 ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ከኣ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ውግእ ነበረ።+ 7 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣብያም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ ኣብ መንጎ ኣብያምን የሮብዓምን እውን ውግእ ነበረ።+ 8 ኣብያም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሳ+ ነገሰ።+ 9 ኣብ መበል 20 ዓመት የሮብዓም ንጉስ እስራኤል፡ ኣሳ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 10 41 ዓመት ከኣ ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ዓባዩ ድማ ማዓካ እዩ፣+ ንሳ ጓል ጓሉ ንኣቢሻሎም እያ። 11 ኣሳ ኸኣ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ።+ 12 ነቶም ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ድማ ካብታ ምድሪ ሰጐጎም፣+ ንዅሎም እቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ጽዩፋት ጣኦታት* ከኣ ኣርሓቖም።+ 13 ዓባዩ ማዓካ+ ድማ ዓንዲ ኣምልኾ* ኪኸውን ጽዩፍ ጣኦት ስለ ዝገበረት፡ ንዓኣ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ኸም ኣደ ንጉስ* ዝነበራ ስልጣን ሰዓራ። ኣሳ ኸኣ ነቲ ጽዩፍ ጣኦታ ቘሪጹ+ ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣንደዶ።+ 14 እቲ በረኽቲ ግና ኣይተወገደን ነበረ።+ ይኹን እምበር፡ ልቢ ኣሳ ብዅሉ ዘመኑ* ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ* ነበረ። 15 ነቲ ንሱን ኣቦኡን ዝቐደስዎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን ድማ ናብ ቤት የሆዋ ኣእተዎ።+ 16 ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ+ ንጉስ እስራኤልን ከኣ፡ ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ። 17 ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ድማ ኣንጻር ይሁዳ ደዪቡ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኸይወጽእን ናብኡ ኸይኣቱን ኢሉ፡ ንራማ+ ኺሰርሓ* ጀመረ።+ 18 ሽዑ፡ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንገላዉኡ ኣብ ኢዶም ሃቦም። ንጉስ ኣሳ ኸኣ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዚቕመጥ ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮን፡ ንጉስ ሶርያ፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኾም፦+ 19 “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣብ መንጎ ኣቦኻን ውዕል* ኣሎ። እዚ ህያብ ብሩርን ወርቅን እሰድደልካ ኣለኹ። ካባይ ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ንዓ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ውዕል* ኣፍርሶ።” 20 ቤን-ሃዳድ ድማ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ኣንጻር ከተማታት እስራኤል ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ንዒዮንን+ ንዳንን+ ንኣቤል-ቤት-ማዓካን ንዅላ ኪነረትን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ወቕዑ። 21 ባዕሳ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንራማ ምስራሕ* ሓዲጉ፡ ኣብ ቲርጻ+ ተቐመጠ። 22 ሽዑ፡ ንጉስ ኣሳ ንሓደ እኳ ናጻ ኸይሓደገ ንዅሉ ይሁዳ ኣኽተተ፣ ነቲ ባዕሳ ንራማ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጫውን ወሲዱ ድማ፡ ንጉስ ኣሳ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ+ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን+ ሰርሐን።* 23 ኵሉ እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሳ ኸኣ፡ ኵሉ ሓይሉን ኵሉ እቲ ዝገበሮን እተን ዝሰርሐን* ከተማታትን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ ብግዜ እርጋኑ ግና፡ ኣእጋሩ ሓመመ።+ 24 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ።+ 25 ናዳብ+ ወዲ የሮብዓም ከኣ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፣ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። 26 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ብመገዲ ኣቦኡን+ በቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣቱን ድማ ተመላለሰ።+ 27 ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ከኣ ውዲት ኣለመሉ፣ ናዳብን ኵሉ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ድማ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን+ ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ። 28 ባዕሳ ኸኣ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 29 ምስ ነገሰ ድማ፡ ንዅሎም ቤት የሮብዓም ቀተሎም። ከምቲ የሆዋ ብጊልያኡ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ እተዛረቦ ቓል፡ ነቶም ካብ የሮብዓም ዘበሉ ኽሳዕ ዜጽንቶም፡ ትንፋስ ዘለዎ ዘበለ ኣይሓደገን።+ 30 እዚ ዝዀነ ኸኣ ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦን ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ስለ ዘዀረዮን እዩ። 31 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ናዳብ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 32 ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ።+ 33 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፣ 24 ዓመት ድማ ነገሰ።+ 34 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ግና ክፉእ ይገብር ነበረ፣+ ብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣቱን ከኣ ተመላለሰ።+ 22 ኣብ መንጎ ሶርያን እስራኤልን ድማ ሰለስተ ዓመት ውግእ ኣይነበረን። 2 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ከኣ፡ ዮሳፋጥ+ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ።+ 3 ንጉስ እስራኤል ድማ ንገላዉኡ፡ “ራሞት-ጊልዓድ+ ናትና ምዃናስ ትፈልጡ ዲኹም፧ ካብ ንጉስ ሶርያ ኸይንመልሳ ግና ንወላወል ኣለና” በሎም። 4 ንዮሳፋጥ ከኣ፡ “ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ክንዋጋእሲ፡ ምሳይዶ ትኸይድ፧” በሎ። ዮሳፋጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ “ኣነ ኸማኻ እየ። ህዝበይ ከም ህዝብኻ እዩ። ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።+ 5 ግናኸ፡ ዮሳፋጥ ንንጉስ እስራኤል፡ “በጃኻ፡ ቅድም ቃል የሆዋ ሕተት” በሎ።+ 6 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት ዝዀኑ 400 ዚኣኽሉ ሰባት ኣኪቡ፡ “ንራሞት-ጊልዓድ ክዋግኣዶ ክኸይድ፡ ወይስ ክሓድጎ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ደይብ፡ የሆዋ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ” በሉ። 7 ዮሳፋጥ ከኣ፡ “እንሓትቶ ነብዪ የሆዋዶ ኣብዚ የልቦን፧ ብእኡ ኣቢልና እውን ንሕተት” በለ።+ 8 ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ “ገና ብእኡ ኣቢልና ንየሆዋ ኽንሓትቶ እንኽእል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ብዛዕባይ ክፉእ ጥራይ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ እሞ፡+ እጸልኦ እየ።+ ንሱ ሚካያ ወዲ ዪምላ እዩ” በሎ። ዮሳፋጥ ግና፡ “ንጉስ ከምኡ ኣይበል” በለ። 9 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ጸዊዑ፡ “ንሚካያ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ” በሎ።+ 10 ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብቲ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ሰማርያ ዘሎ ዓውዲ ኣብ ዘዝፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ፣ ኵሎም እቶም ነብያት እውን ኣብ ቅድሚኦም ይንበዩ ነበሩ።+ 11 ጼዴቅያስ ወዲ ከናዓና ድማ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዚጸንቱ በዚኣተን ክትወግኦም* ኢኻ’” በለ። 12 ኵሎም እቶም ነብያት እውን ከምኡ፡ “ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ። 13 እቲ ንሚካያ ኺጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ “እንሆ፡ እቶም ነብያት ብሓደ ዀይኖም ንንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ። በጃኻ፡ ዘረባኻ ኸም ዘረባኦም ይኹን፡ ጽቡቕ ድማ ተዛረብ” በሎ።+ 14 ሚካያ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ እቲ የሆዋ ዚብለኒ እየ ዝዛረብ” በለ። 15 ናብ ንጉስ ከኣ መጸ፣ ንጉስ ድማ፡ “ሚካያ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣዶ ኽንከይድ፡ ወይስ ክንሓድጎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ብቕጽበት፡ “ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩ” ኢሉ መለሰ። 16 ንጉስ ከኣ፡ “ብስም የሆዋ ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ከይትዛረበኒ ኽንደይ ሳዕ እየ ኸምሕለካ፧” በሎ። 17 ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኵሎም እስራኤላውያን ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ረኣኹ።+ የሆዋ ኸኣ፡ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን። ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ በለ።” 18 ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ “‘ብዛዕባይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ’ ኢለካ ደይነበርኩን፧” በሎ።+ 19 ሚካያ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡+ ኵሉ ሰራዊት ሰማያት ድማ ኣብ ጥቓኡ፡ ኣብ የማነ ጸጋሙ ቘይሙ ረኣኹ።+ 20 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኣከኣብ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ምእንቲ ኺወድቕሲ፡ መን ይሓባብሎ፧’ በለ። ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ ድማ ከምቲ በለ። 21 ሽዑ፡ ሓደ መንፈስ*+ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ ደው ኢሉ፡ ‘ኣነ ኽሓባብሎ እየ’ በለ። የሆዋ ድማ፡ ‘ከመይ ጌርካ፧’ ኢሉ ሓተቶ። 22 ንሱ ኸኣ፡ ‘ወጺአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነብያቱ ዜታልል መንፈስ ክኸውን እየ’ ኢሉ መለሰ።+ ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻስ ክትሓባብሎ ኢኻ፡ ከተስልጥ እውን ኢኻ። ወጺእካ ኸምኡ ግበር’ በሎ። 23 ሕጂ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ኣፍ ኵሎም እዞም ነብያትካ እዚኦም ዜታልል መንፈስ እዩ ኣንቢሩ ዘሎ፣+ የሆዋ ግና ንዓኻ መዓት ተዛሪቡልካ ኣሎ።”+ 24 ጼዴቅያስ ወዲ ከናዓና ድማ ቀሪቡ ንሚካያ ኣብ ምዕጕርቱ ወቕዖ እሞ፡ “እቲ መንፈስ የሆዋ ንዓኻ ኺዛረብሲ ኻባይ በየን እዩ ሓሊፉ፧” በለ።+ 25 ሚካያ ኸኣ፡ “እንሆ፡ በታ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ በየን ምዃኑ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰ። 26 ንጉስ እስራኤል ድማ ከምዚ በለ፦ “ንሚካያ ናብ ኣሞን እቲ ሓለቓ እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ውሰዶ። 27 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ንጉስ ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቲኹም፡+ እተነከየ መቝነን እንጌራን ማይን መግብዎ።”’” 28 ሚካያ ድማ፡ “ብሰላም እንተ ተመሊስካስ፡ የሆዋ ምሳይ ኣይተዛረበን” በለ።+ ብተወሳኺ ኸኣ፡ “ኣቱም ህዝቢ፡ ኵላትኩም ስምዑ” በለ። 29 ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ድማ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ።+ 30 ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ “ኣነ ትርኢተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፣ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ተኸደን” በሎ። ንጉስ እስራኤል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ+ ናብ ውግእ ኣተወ። 31 ንጉስ ሶርያ ኸኣ ነቶም 32 ኣዘዝቲ ሰረገላታቱ፡+ “ምስ ንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ። 32 እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፡ “እዚ ብርግጽ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ። ኪዋግእዎ ድማ ናብኡ ኣልገሱ፣ ዮሳፋጥ ከኣ ኣእወየ። 33 እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት፡ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኰነ ምስ ረኣዩ፡ ብኡብኡ ኻብ ምስዓቡ ተመልሱ። 34 ግናኸ፡ ሓደ ሰብኣይ ብቐስቱ ገይሩ ብሃውሪ* ወርወረ እሞ፡ ንንጉስ እስራኤል ኣብ መንጎ መላግቦ ድርዑ ወግኦ። ንጉስ ድማ ነቲ ብዓል ሰረገላኡ፡ “ቈሲለ እየ እሞ፡ ተመሊስካ ኻብ ውግእ* ኣውጽኣኒ” በሎ።+ 35 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ውግእ በርትዐ፣ ንጉስ ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን፡ ኣብቲ ሰረገላ ብኻልእ ተደጊፉ ደው ኢሉ ነበረ። ደም እቲ ቝስሉ ናብ ውሽጢ እቲ ሰረገላ ፈሰሰ፡ ምሸት ድማ ሞተ።+ 36 ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ፡ “ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ! ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ!” ዚብል ኣዋጅ በቲ ሰፈር ሓለፈ።+ 37 በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ሞተ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ ኣምጽእዎ፣ ንንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ። 38 ነቲ ሰረገላ ኣብ ሓጽቢ ሰማርያ ምስ ሓጸብዎ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓል፡ ኣኽላባት ነቲ ደሙ ለሓስዎ፡ ኣመናዝር ድማ ኣብኡ ተሓጽባ።*+ 39 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣከኣብ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሃነጻ ቤትን*+ ኵለን እተን ዝሰርሐን ከተማታትን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 40 ኣከኣብ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ+ ነገሰ። 41 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሳ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 42 ዮሳፋጥ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 35 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 25 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓዙባ እዩ፣ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ። 43 ንሱ ብዅሉ መገዲ ኣቦኡ ኣሳ ተመላለሰ።+ ካብኡ ኣየልገሰን፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ቅኑዕ ገበረ።+ ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+ 44 ዮሳፋጥ ከኣ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ነበሮ።+ 45 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮሳፋጥ፡ እቲ ሓያል ግብሩን እቲ እተዋግኦ ውግእን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 46 ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ ተሪፎም ዝነበሩ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ከኣ፡+ ካብታ ምድሪ ኣርሓቖም።+ 47 ሽዑ፡ ኣብ ኤዶም+ ንጉስ ኣይነበረን፣ ምስለኔ ግና ከም ንጉስ ነበረ።+ 48 ዮሳፋጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ዜምጽኣ መራኽብ ተርሲስ* ሰርሐ፣+ እተን መራኽብ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ስለ እተሰብራ ግና፡ ኣይከዳን።+ 49 ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ከኣ ንዮሳፋጥ፡ “ገላዎይ ምስ ገላዉኻ በተን መራኽብ ይኺዱ” በሎ፣ ዮሳፋጥ ግና ኣይፈተወን። 50 ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡+ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም+ ነገሰ። 51 ኣብ መበል 17 ዓመት ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣሓዝያ+ ወዲ ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። 52 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ብመገዲ ኣቦኡን+ ብመገዲ ኣዲኡን+ ብመገዲ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦ የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከኣ ተመላለሰ።+ 53 ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ድማ፡ ንበዓል ኣገልገሎን+ ሰገደሉን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ኣዀረዮ።+ 17 ኣብ መበል 12 ዓመት ኣሓዝ ንጉስ ይሁዳ፡ ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ ትሽዓተ ዓመት ከኣ ገዝአ። 2 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ግናኸ፡ ማዕረ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ኣይገበረን። 3 ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ከኣ ኣንጻሩ ደየበ፣+ ሆሼዓ ድማ ጊልያኡ ዀይኑ ግብሪ ገበረሉ።+ 4 ንጉስ ኣሶር ግና፡ ሆሼዓ ኣብ ውዲት ኢዱ ኸም ዘእተወ ፈለጠ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ናብ ሶእ ንጉስ ግብጺ ልኡኻት ልኢኹ ነበረ፡+ ንንጉስ ኣሶር ከኣ ከምተን ዝቐደማ ዓመታት ኣይገበረሉን። ስለዚ፡ ንጉስ ኣሶር ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ዓጸዎን ኣሰሮን። 5 ንጉስ ኣሶር ድማ ንብዘላ እታ ምድሪ ወረራ፣ ናብ ሰማርያ መጺኡ ኸኣ ሰለስተ ዓመት ከበባ። 6 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ሆሼዓ፡ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ።+ ንህዝቢ እስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማሪኹ፡+ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ኣብ ፈለግ ጎዛንን+ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።+ 7 ህዝቢ እስራኤል ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ዘደየቦም የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝበደሉ እዩ እዚ ዝዀነ።+ ካልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣምለኹ፣*+ 8 ልምድታት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ ሰዓቡ፣ ነቲ ነገስታት እስራኤል ዘቘምዎ ልምድታት እውን ሰዓቡ። 9 እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኾም ቅኑዕ ዘይኰነ ነገራት ይስዕቡ ነበሩ። ኣብ ኵለን ከተማታቶም፡ ካብ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኽሳብ ኣብ እተዓርደት ከተማ፡* በረኽቲ ይሰርሑ ነበሩ።+ 10 ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዅርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ+ ኦምን ከኣ ሓወልትታት ኣምልኾን ኣዕኑድ ኣምልኾን* የቝሙ ነበሩ።+ 11 ኣብ ኵሉ እቲ በረኽቲ ድማ ከምቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚኦም ዝሰጐጎም ኣህዛብ ይዓጥኑ ነበሩ።+ ንየሆዋ ኬዀርይዎ ኢሎም ከኣ ክፉእ ይገብሩ ነበሩ። 12 ነቶም የሆዋ ብዛዕባኦም፡ “እዚ ኣይትግበሩ!” ዝበሎም+ ጽዩፋት ጣኦታት* የገልግልዎም ነበሩ።+ 13 የሆዋ ኸኣ ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነብያቱን ብዅሎም ሰብ ራእይን ገይሩ፡ “ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ።+ ከምቲ ንኣቦታትኩም ዝኣዘዝክዎምን ብገላዎይ ነብያት ገይረ ዝሰደድኩልኩምን ኵሉ ሕጊ ጌርኩም ትእዛዛተይን ሕግታተይን ሓልዉ” ኢሉ የጠንቅቖም ነበረ።+ 14 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፣ ከምቶም ብየሆዋ ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ነቓጻት ኰኑ።*+ 15 ስርዓታቱን ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳኑን+ ኬጠንቅቖም ኢሉ ዝሃቦም መዘኻኸሪታቱን ይንዕቁ ነበሩ፣+ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ የሆዋ ኸይመስልዎም ዝኣዘዞም ኣህዛብ ብምምሳል ከኣ፡+ ከንቱ ጣኦታት ይስዕቡ ነበሩ፣+ ንሳቶም እውን ከንቱ ዀኑ።+ 16 ኵሉ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኾም ሓዲጎም ድማ፡ ፍሱስ ምስልታትን ክልተ ምራኽን+ ዓንዲ ኣምልኾን*+ ገበሩ፣ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ከኣ ሰገዱሎም፡+ ንበዓል እውን ኣገልገልዎ።+ 17 ንኣወዳቶምን ንኣዋልዶምን ድማ ብሓዊ ኣሕለፍዎም፣+ ይጥንቍሉን+ ፋል ይደልዩን ነበሩ፣ ኬዀርይዎ ኢሎም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ንምግባር ርእሶም ወፈዩ።* 18 ስለዚ፡ የሆዋ ብእስራኤል ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም።+ ብዘይካ ነገድ ይሁዳ በይኑ፡ ካልእ ኣየትረፈን። 19 ይሁዳ እውን ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኾም ኣይሓለዉን፣+ በቲ እስራኤል ዝሰዓብዎ ልምድታት ከኣ ተመላለሱ።+ 20 የሆዋ ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ነዓቖም፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ከኣ ኣዋረዶምን ኣብ ኢድ ዘመትቲ ኣሕሊፉ ሃቦምን። 21 ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ቀደዶ፣ ንሳቶም ከኣ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ።+ ግናኸ፡ የሮብዓም ንእስራኤል፡ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ኣርሓቖም፡ ዓብዪ ሓጢኣት እውን ኣሕጥኦም። 22 ህዝቢ እስራኤል ድማ ብዅሉ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት ተመላለሱ።+ ካብኡ ኸኣ ኣየልገሱን። 23 የሆዋ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ብዅሎም ገላዉኡ ነብያት ኣቢሉ እተዛረቦ፡ ካብ ቅድሚኡ ኣርሓቖም።+ እስራኤል ከኣ ካብ ምድሩ ናብቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘለዎ ኣሶር ተማረኸ።+ 24 ንጉስ ኣሶር ድማ ካብ ባቢሎንን ካብ ኩታህን ካብ ዓዋን ካብ ሓማትን ካብ ሰፋርዋዪምን+ ህዝቢ ኣምጺኡ ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣስፈሮም፣ ንሰማርያ ኸኣ ተረስተይዋ፡ ኣብ ከተማታታ እውን ተቐመጡ። 25 ኣብኡ ኪቕመጡ ምስ ጀመሩ፡ ንየሆዋ ኣይፈርህዎን።* ስለዚ፡ የሆዋ ኣናብስ ሰደደሎም፣+ ንሳቶም ድማ ካብቶም ህዝቢ ቐተሉ። 26 ንንጉስ ኣሶር ከኣ፡ “እቶም ኣግዒዝካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘስፈርካዮም ኣህዛብ ንሃይማኖት* ኣምላኽ እታ ምድሪ ኣይፈልጡን እዮም። ዋላ ሓዲኦም ንሃይማኖት ኣምላኽ እታ ምድሪ ስለ ዘይፈልጡ ድማ፡ ኣናብስ ይሰድደሎም ኣሎ፣ ንሳቶም ከኣ ይቐትልዎም ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ። 27 ሽዑ፡ ንጉስ ኣሶር፡ “ሓደ ኻብቶም ካብኡ ዝማረኽኩምዎም ካህናት፡ ኣብኡ ኺነብርን ሃይማኖት ኣምላኽ እታ ምድሪ ኺምህሮምን ናብኡ ምለሱ” ኢሉ ኣዘዘ። 28 ሓደ ኻብቶም ካብ ሰማርያ እተማረኹ ኻህናት ድማ ተመሊሱ ኣብ ቤት-ኤል ተቐመጠ፣+ ንሱ ኸኣ ንየሆዋ ኸመይ ገይሮም ከም ዚፈርህዎ* መሃሮም።+ 29 ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናቱ ኣምላኽ* ገበረ፣ ነዚ ድማ ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ ዝገበርዎ በረኽቲ ዝነበረ ኣባይቲ ኣምልኾ ኣንበርዎ። ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዚነብሩለን ከተማታት ከምኡ ገበሩ። 30 ስለዚ፡ ሰብ ባቢሎን፡ ሱኮት-ቤኖት ገበሩ፣ ሰብ ኩት ከኣ፡ ኔርጋል ገበሩ፣ ሰብ ሓማት+ ድማ፡ ኣሺማ ገበሩ፣ 31 ዓዋውያን ከኣ፡ ኒብሓዝን ተርታቅን ገበሩ። ሰፋርዋዪማውያን ድማ ንኣድራመለክን ንዓናመለክን፡ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪም፡+ ደቆም ብሓዊ የንድዱ ነበሩ። 32 ንየሆዋ እኳ እንተ ፈርህዎ፡ ካብ ማንም ህዝቢ ንበረኽቲ ዚኸውን ካህናት ሸሙ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ኣብ በረኽቲ ዝነበረ ኣባይቲ ኣምልኾ የገልግልዎም ነበሩ።+ 33 በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ይፈርህዎ ነበሩ፣ ግናኸ፡ ከም ሃይማኖት* እቶም ካብ መንጎኦም ግዒዞም ዝወጹሎም ኣህዛብ ንኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ።+ 34 ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ናይ ቀደም ሃይማኖቶም* ይስዕቡ ኣለዉ። ዋላ ሓዲኦም ንየሆዋ ኣየምለኽዎን፣* ዋላ ሓዲኦም ከኣ ስርዓታቱን ፍርድታቱን እቲ የሆዋ ንደቂ እቲ እስራኤል ኢሉ ስሙ ዝለወጠሉ ያእቆብ+ ዝሃቦም ሕግን ትእዛዝን ኣይሰዓቡን። 35 የሆዋ ምስ እቲኣቶም ኪዳን ኣተወ፡+ ከምዚ ኢሉ እውን ኣዘዞም፦ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፍርህዎም፡ ኣይትስገዱሎም፡ ኣይተገልግልዎም፡ ኣይትሰውኡሎም እውን።+ 36 ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበኩም የሆዋ፡+ ንዕኡ ደኣ ፍርህዎ፡+ ንዕኡ ድማ ስገዱሉ፡ ንዕኡ እውን ሰውኡሉ። 37 ነቲ ዝጸሓፈልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ከኣ፡+ ወትሩ ተጠንቂቕኩም ስዓብዎ፣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይትፍርህዎም። 38 ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ከኣ ኣይትረስዕዎ፣+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይትፍርህዎም። 39 እቲ ኻብ ኢድ ኵሎም ጸላእትኹም ዜናግፈኩም የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ንዕኡ ደኣ ፍርህዎ።” 40 ንሳቶም ግና ናይ ቀደም ሃይማኖቶም* ሰዓቡ እምበር፡ ኣይተኣዘዙን።+ 41 ስለዚ፡ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ንየሆዋ ይፈርህዎ ነበሩ፣+ ግናኸ፡ ንቕሩጽ ምስልታቶም እውን የገልግሉ ነበሩ። ደቆምን ደቂ ደቆምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ። 18 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ንጉስ እስራኤል፡ ህዝቅያስ+ ወዲ ኣሓዝ+ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 2 ኪነግስ ከሎ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኣቢ* እዩ፣ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።+ 3 ንሱ ድማ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 4 እቲ ንበረኽቲ ዘወገዶን+ ንሓወልትታት ኣምልኾ ዝሰባበሮን ንዓንዲ ኣምልኾ* ዝቘረጾን+ ንሱ እዩ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ነሓሲ ድማ ድርቅምቅም ኣበሎ።+ ከመይሲ፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ህዝቢ እስራኤል ንዕኡ ይዓጥኑሉ ነበሩ፣ ናይ ነሓሲ ጣኦት ተመን* ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ነበሩ። 5 ንሱ ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፣*+ ካብቶም ድሕሪኡ ዀኑ ቕድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን። 6 ናብ የሆዋ ኸኣ ጠበቐ፣+ ካብ ምስዓቡ እውን ኣየልገሰን። እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛት ደኣ ሓለወ። 7 የሆዋ ድማ ምስኡ ነበረ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ ብጥበብ ይመላለስ ነበረ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዓለወ፡ ከይግዝኦ እውን ኣበየ።+ 8 ንፍልስጥኤማውያን+ ድማ ክሳብ ጋዛን ከባቢኣን፡ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ኽሳብ እተዓርደት ከተማ፡* ሰዓሮም። 9 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ማለት ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ንጉስ እስራኤል፡ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ኣንጻር ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ።+ 10 ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ዓመት ከኣ ሓዝዋ፣+ ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት ህዝቅያስ፡ ማለት ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ሆሼዓ ንጉስ እስራኤል፡ ሰማርያ ተታሕዘት። 11 ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፣+ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ኣብ ፈለግ ጎዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ከኣ ኣስፈሮም።+ 12 እዚ ድማ ድምጺ የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዑ፡ ኪዳኑ፡ ማለት ኵሉ እቲ ሙሴ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዞ ስለ ዝጠሓሱ እዩ።+ ኣይሰምዑን፡ ኣይተኣዘዙን እውን። 13 ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+ 14 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ “በዲለ እየ። ካባይ ኣንሳሕብ፣ እትስልዓለይ ዘበለ ኸኣ ክኸፍል እየ” በሎ። ንጉስ ኣሶር ድማ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸም መቕጻዕቲ 300 ታለንት* ብሩርን 30 ታለንት ወርቅን ኪኸፍል ሰልዓሉ። 15 ህዝቅያስ ከኣ እቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ዅሉ ብሩር ሃቦ።+ 16 ህዝቅያስ ድማ በታ ግዜ እቲኣ፡ ነቲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ባዕሉ ዝለበጦ*+ መዓጹ ቤተ መቕደስ+ የሆዋን ልዳውትን ነቒሉ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ። 17 ንጉስ ኣሶር ከኣ ንታርታንን* ንራብሳሪስን* ንራብሳቀን* ምስ ብዙሕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ+ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ህዝቅያስ ሰደዶም።+ ናብ የሩሳሌም ደዪቦም ድማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጐደና ግራት ሓጻባይ ዘሎ መትረብ ላዕለዋይ ሓጽቢ ቘሙ።+ 18 ንንጉስ ኪወጽእ ምስ ጸውዕዎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ናባታቶም ወጹ። 19 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “በጃኹም፡ ንህዝቅያስ ከምዚ በልዎ፦ ‘እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “እንታይ መሰረት ስለ ዘሎካ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ፧+ 20 ‘ንውግእ ስልትን ሓይልን ኣሎኒ’ ትብል ኣለኻ፣ እዚ ግና ባዶ ቓላት እዩ። ብመን ተኣሚንካ ኢኻ ኻባይ ክትዓሉ ዝደፈርካ፧+ 21 እንሆ፡ ብደገፍ እዚ ንዚምርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዚኣቱ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዝዀነ ግብጺ ተኣሚንካ ኣለኻ።+ ፈርኦን ንጉስ ግብጽስ ንዅሎም እቶም ዚእመንዎ ኸምኡ እዩ። 22 ‘ብየሆዋ ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና’+ እንተ ኢልኩምኒ ድማ፡ እቲ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ‘ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱ’ ኢሉ+ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘወገደሉስ ንሱ ደይኰነን፧”’+ "23 ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ግዳ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፦ ንስኻ ዚውጥሕዎም ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፡ 2,000 ፈረስ ክህበካ እየ።+" 24 ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንምርካብ ኣብ ግብጺ ተኣሚንካ ኸለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብቶም ንኣሽቱ ገላዉ ጐይታይ ንሓደ ሹም እኳ ኽትመልስ እትኽእል፧ 25 ሕጅስ ብዘይ ፍቓድ የሆዋዶ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ እየ፧ የሆዋ ደኣ እዩ፡ ‘ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣ ደዪብካ፡ ኣጥፍኣያ’ ኢሉ ልኢኹኒ።” 26 ሽዑ፡ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብናን+ ዮኣሕን ነቲ ራብሳቀ፡+ “ክንሰምዖ ንኽእል ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ንገላዉኻ ብኣራማይስጢ*+ ተዛረበና፣ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።+ 27 እቲ ራብሳቀ ግና፡ “ጐይታይሲ እዚ ቓላት እዚ ንጐይታኻን ንዓኻን ጥራይ ክዛረብ ድዩ ልኢኹኒ፧ ነቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባት እውን ደይኰነን፧” በሎም። 28 ሽዑ፡ እቲ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ ከምዚ ኢሉ ዓው ኢሉ ጨደረ፦ “ቃል እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።+ 29 ንጉስ ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬናግፈኩም ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ኣየታልልኩም።+ 30 ህዝቅያስ ድማ፡ “የሆዋ ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ብየሆዋ ኣየአምንኩም።+ 31 ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “ምሳይ ሰላም ግበሩ፡ ኢድኩም ድማ ሃቡ፣* ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ካብ ተኽሊ ወይኑን ካብ ኦም በለሱን ይብላዕ፡ ካብ መዕቘር ማዩ እውን ይስተ፣ 32 መጺአ ነዛ ምድርኹም ናብ እትመስል ምድሪ፡+ ናብ ምድሪ እኽልን ጕዕሽ ወይንን፡ ናብ ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ምድሪ ኣእዋም ኣውልዕን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ከምኡ ግበሩ። ሽዑ፡ ብህይወት ክትነብሩ እምበር፡ ኣይክትሞቱን ኢኹም። ህዝቅያስ፡ ‘የሆዋ ኼናግፈና እዩ’ ኢሉ ኼስሕተኩም ከሎስ፡ ኣይትስምዕዎ። 33 ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ንምድሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፈዶ ኣሎ፧ 34 ኣማልኽቲ ሓማትን+ ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምን+ ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧ ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣናጊፎምዋ እዮም፧+ 35 የሆዋ ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ዜናግፋስ፡ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንምድሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ መን ኣሎ፧”’”+ 36 ንጉስ፡ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ሓንቲ ቓል እውን ኣይመለሱሉን።+ 37 እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ከኣ፡ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ እቲ ራብሳቀ ነገርዎ። 23 ሽዑ፡ ንጉስ ለኣኸ እሞ፡ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣከብዎም።+ 2 ድሕሪኡ፡ ንጉስ ምስ ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኵሎም ነበርቲ የሩሳሌምን ካህናትን ነብያትን፡ ኰታስ ምስ ኵሎም ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ናብ ቤት የሆዋ ደየበ። ኵሉ ቓላት እታ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበት መጽሓፍ+ ኪዳን+ ድማ እናሰምዑ ኣንበበ።+ 3 ንጉስ ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዓንዲ ደው ኢሉ፡ ቃላት እቲ ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ እተጻሕፈ ኺዳን ብምፍጻም፡ ንየሆዋ ኸም ዚስዕቦ፡ ትእዛዛቱን መዘኻኸሪታቱን ሕግታቱን ከኣ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን* ከም ዚሕሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዳን ኣተወ።*+ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ኺዳን ተሰማምዑሉ።+ 4 ንጉስ ድማ ንሒልቅያ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ነቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝነበሩ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ማዕጾን ነቲ ንበዓልን ንዓንዲ ኣምልኾን*+ ንዅሉ ሰራዊት ሰማያትን እተገብረ ዅሉ ኣቕሑ ኻብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኼውጽእዎ ኣዘዞም። ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም፡ ኣብ ዛላታት ቄድሮን ከኣ ኣንደዶ፣ ነቲ ሓምዅሽቱ እውን ናብ ቤት-ኤል ወሰዶ።+ 5 ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ዘሎ በረኽቲ ኺዓጥኑ ዝሸምዎም ካህናት ጓኖት ኣማልኽትን ነቶም ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንጭፍራታት ከዋኽብቲ መናዝልን ንዅሉ ሰራዊት ሰማያትን ዚዓጥኑ ዝነበሩን ካብ ሽመቶም ሰዓሮም።+ 6 ነቲ ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኸኣ ካብ ቤት የሆዋ ናብ ወሰን የሩሳሌም፡ ናብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣውጺኡ፡ ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣንደዶ፡+ ኣድኪሙ ድማ ደበቝበቛ ገበሮ፣ ነቲ ደበቝበቛ ኸኣ ኣብ መቓብር እቲ ተራ ህዝቢ በተኖ።+ 7 ነቲ ኣንስቲ ኣብኡ ዀይነን ነቲ ዓንዲ ኣምልኾ* ንእሽቶ መቕደስ ድንኳን ዚኣልማሉ ዝነበራ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኣባይቲ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ከኣ ኣፍረሶ።+ 8 ንዅሎም ካህናት ድማ ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውጽኦም፣ ነቲ እቶም ካህናት ዚዓጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸኣ፡ ካብ ጌባዕ+ ክሳብ ብኤር-ሸባዕ+ ኣርከሶ። ነቲ ሰብ ብኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኺኣቱ ኸሎ ብጸጋሙ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ እያሱ እቲ ሓለቓ እታ ኸተማ ዝነበረ በረኽቲ ኣፍ ደገታት እውን ኣፍረሶ። 9 እቶም ካህናት በረኽቲ ኸኣ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ኣየገልግሉን ነበሩ፣+ ምስ ኣሕዋቶም ግና ቅጫ ይበልዑ ነበሩ። 10 ዋላ ሓደ ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንሞሌኽ ብሓዊ ኸየሕልፍ ድማ፡+ ነቲ ኣብ ስንጭሮ ደቂ ሂኖም*+ ዝነበረ ኣምልኾ ቶፌት+ ኣርከሶ። 11 ነቶም ነገስታት ይሁዳ ንጸሓይ ዝወፈይዎም* ኣፍራስ ከኣ፡ በቲ ኣብቲ ወገፈታት ዝነበረ ኽፍሊ ቤት* ናታን-ሜሌክ እቲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኣቢሎም ናብ ቤት የሆዋ ኸይኣትዉ ኸልከለ፣ ንሰረገላታት ጸሓይ+ እውን ብሓዊ ኣንደዶ። 12 ንጉስ ድማ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ+ ደርቢ ኣሓዝ ዘቘምዎ መሰውኢታትን ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት የሆዋ ዘቘሞ መሰውኢታትን ኣፍረሶ።+ ኣድኪሙ ኸኣ ነቲ ደበቝበቛ ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን በተኖ። 13 ንጉስ ድማ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንኣሽቶረት እታ ጽይፍቲ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ንከሞሽ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ሞኣብን ንሚልኮም+ እቲ ፍንፉን ኣምላኽ ዓሞናውያንን+ ዝሰርሖ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ብደቡብ* ከረን ጥፍኣት* ዝነበረ በረኽቲ ኣርከሶ። 14 ነቲ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበሮ፡ ነቲ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ኸኣ ቈራረጾ፡+ ነቲ ቦታታቶም እውን ብኣዕጽምቲ ሰብ መልኦ። 15 ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝነበረ መሰውኢ፡ ነቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ዝገበሮ እሞ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ በሪኽ እውን ኣፍረሶ።+ ነቲ መሰውእን ነቲ በሪኽን ምስ ኣፍረሶ ድማ፡ ነቲ በሪኽ ኣንዲዱ፡ ኣድኪሙ ደበቝበቛ ገበሮ፣ ነቲ ዓንዲ ኣምልኾ* እውን ኣንደዶ።+ 16 ዮስያስ ግልጽ ኢሉ ኣብቲ ኸረን መቓብራት ምስ ረኣየ፡ ልኢኹ ኻብቲ መቓብራት ኣዕጽምቲ ወሲዱ፡ ከምቲ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እዚ ነገር እዚ ኸም ዚኸውን ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓል የሆዋ፡ ኣብቲ መሰውኢ ኣንደዶ፡ ኣርከሶ እውን።+ 17 ንሱ ድማ፡ “እቲ ኣብቲ ዝርእዮ ዘለኹ ሓወልቲ መቓብርከ እንታይ እዩ፧” በለ። ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ “መቓብር እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ እዚ ኣብ መሰውኢ ቤት-ኤል ዝገበርካዮ ነገር ኣቐዲሙ እተዛረበ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እዩ”+ በልዎ። 18 ንሱ ኸኣ፡ “የዕርፍ። ንኣዕጽምቱ ኣይትረብሽዎ” በለ። ስለዚ፡ ኣዕጽምቱ ምስ ኣዕጽምቲ እቲ ኻብ ሰማርያ ዝመጸ ነብዪ ኸይተረበሸ ተረፈ።+ 19 ዮስያስ ድማ ንዅለን እተን ነገስታት እስራኤል ንኣምላኽ ኬዀርይዎ ዝሃነጽወን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ ኣባይቲ ኣምልኾ ኣወገደን፣+ ከምቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ኸኣ ገበረን።+ 20 ኣብቲ መሰውኢታት ድማ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናት በረኽቲ ሓረዶም፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ።+ ድሕሪኡ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። 21 ንጉስ ድማ ንዅሎም ህዝቢ፡ “ከምቲ ኣብዛ መጽሓፍ ኪዳን እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ” ኢሉ ኣዘዞም።+ 22 ካብቲ ፈራዶ ንእስራኤል ዚፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ኣትሒዙ፡ ኣብ ኵሉ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን፡ ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተባዕለን።+ 23 ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ ዮስያስ ግና፡ እዚ ፋስጋ እዚ ኣብ የሩሳሌም ንየሆዋ ተባዕለ። 24 ዮስያስ ከኣ ንቓላት እቲ ኣብታ ኻህን ሒልቅያ ኣብ ቤት የሆዋ ዝረኸባ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ+ ሕጊ ምእንቲ ኺፍጽሞ ኢሉ፡+ ንጠየቕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን+ ንተራፊምን*+ ንጽዩፋት ጣኦታትን* ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳን የሩሳሌምን እተራእየ ጽያፍን ኣርሓቐ። 25 ከምቲ ዅሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን*+ ብዅሉ ሓይሉን ናብ የሆዋ እተመልሰ ንጉስ ቅድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፣ ድሕሪኡ እውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስአን። 26 ግናኸ፡ ብሰሪ እቲ ምናሴ ኬዀርዮ ኢሉ ዝገበሮ ዅሉ ዜዀሪ ነገራት፡ የሆዋ ኻብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነደደ ነዳዲ ቝጥዓኡ ኣይተመልሰን።+ 27 የሆዋ ድማ፡ “ከምቲ ንእስራኤል ዘርሓቕክዎ፡+ ንይሁዳ እውን ካብ ቅድመይ ከርሕቖ እየ፣+ ነዛ ዝሓረኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን ነታ፡ ‘ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ’ ዝበልኩላ ቤትን+ ከኣ ክሓድገን እየ” በለ። 28 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮስያስ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 29 ብዘመኑ ኸኣ፡ ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ንንጉስ ኣሶር ኪቀባበሎ ናብ ፈለግ ኤፍራጥስ መጸ፣ ንጉስ ዮስያስ ድማ ኪገጥመሉ ወጸ፣ ግናኸ፡ ኔኮ ምስ ረኣዮ፡ ኣብ መጊዶ ቐተሎ።+ 30 ገላዉኡ ኸኣ ሬሳኡ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ የሩሳሌም ኣምጺኦም ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ። ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ቐቢኦም ኣንገስዎ።+ 31 ዮኣሓዝ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 23 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ። ስም ኣዲኡ ሓሙጣል እዩ፣+ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። 32 ንሱ ድማ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+ 33 ፈርኦን ኔኮ+ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ፡ ኣብ ሪብላ+ ኣብ ምድሪ ሓማት ኣሰሮ፣ ነታ ምድሪ ድማ 100 ታለንት* ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን መቕጻዕቲ ኽትከፍል ሰልዓላ።+ 34 ፈርኦን ኔኮ ድማ ንኤልያቂም ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ኣንገሶ፣ ስሙ ኸኣ ናብ ዮያቂም ለወጦ። ንዮኣሓዝ ከኣ ወሰዶ እሞ ናብ ግብጺ ኣምጽኦ፣+ ንሱ እውን ኣብኣ ሞተ።+ 35 ዮያቂም ድማ ንፈርኦን ብሩርን ወርቅን ሃቦ፣ ነቲ ፈርኦን ዝሰልዖ ብሩር ንምሃብ ግና ነታ ምድሪ ኣገበራ። ንፈርኦን ኔኮ ምእንቲ ኺህብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ እታ ምድሪ እተሰልዐ መጠን ብሩርን ወርቅን ኣኽፈለ። 36 ዮያቂም+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 11 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ዘቢዳ እዩ፣ ንሳ ጓል ጰዳያ ብዓል ሩማ እያ። 37 ንሱ ድማ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 19 ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ ማቕ ተኸድነ፡ ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣተወ።+ 2 ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂምን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ንዓበይቲ ኻህናትን ማቕ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ኪኸዱ ሰደዶም። 3 ንሳቶም ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መግናሕትን* ውርደትን እያ፣ ሕጻናት ኪውለዱ ኢሎም ነይሮምሲ፡* ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ።+ 4 ምናልባት የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኵሉ ቓላት እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ኬባጭወሉ ዝለኣኾ ራብሳቀ ሰሚዑ ይኸውን፣+ በቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሰምዖ ቓላት ድማ ተሓታቲ ይገብሮ ይኸውን። እምበኣር፡ ምእንቲ እዚ ዝተረፈ ተረፍ ጸሎት ኣዕርግ።’”+ 5 እቶም ገላዉ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ ከዱ።+ 6 ኢሳይያስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር ኪጸርፉኒ+ ዝሰማዕካዮ ቓላት ኣይትፍራህ።+ 7 እንሆ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ሓሳብ* ከእቱ እየ፣ ንሱ ኸኣ ወረ ሰሚዑ ናብ ምድሩ ኺምለስ እዩ፣ ኣብ ምድሩ ድማ ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።”’”+ 8 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ምስ ሰምዐ፡+ ናብኡ ተመልሰ፡ ምስ ሊብና ኺዋጋእ ድማ ረኸቦ።+ 9 ንጉስ ድማ ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ “እንሆ፡ ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ” ኺብሃል ሰምዐ። መሊሱ ኸኣ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦+ 10 “ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፦ ‘እቲ እትእመኖ ኣምላኽካ፡ “የሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ኣየታልልካ።+ 11 እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት ብምጥፋእ ዝገበርወን ሰሚዕካዮ ኣለኻ።+ ንስኻ በይንኻዶ ኽትናገፍ ኢኻ፧ 12 ኣማልኽቲ እቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብዶ ኣናጊፎምዎም እዮም፧ ጎዛንን ካራንን+ ሬጸፍን እቶም ኣብ ቴል-ኣሳር ዝነበሩ ህዝቢ ኤደንን ኣበይ ኣለዉ፧ 13 ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማታት ሰፋርዋዪምን ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧’”+ 14 ህዝቅያስ ድማ ነተን ደብዳበታት ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበበን። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት የሆዋ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘርግሐን።*+ 15 ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦+ “ኦ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡+ ንስኻ በይንኻ ናይ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ።+ ንሰማያትን ንምድርን ንስኻ ኢኻ ጌርካዮ። 16 ኦ የሆዋ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ኽፈት+ እሞ ርአ። ሰናክሪብ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምብጫው ዝለኣኾ ቓላት ስማዕ። 17 ኦ የሆዋ፡ ነገስታት ኣሶር ንኣህዛብን ንምድሮምን ከም ዘባደሙስ ሓቂ እዩ።+ 18 ንኣማልኽቶም እውን ናብ ሓዊ ደርብዮምዎም እዮም፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ብኢድ ሰብ እተሰርሑ ዕንጨይትን እምንን እዮም እምበር፡+ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+ ስለዚ እዮም ዘጥፍእዎም። 19 ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኻብ ኢዱ ኣድሕነና።”+ 20 ሽዑ፡ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ዝጸለኻዮ ጸሎት ሰሚዐዮ ኣለኹ።+ 21 እቲ የሆዋ ኣንጻሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦ “ድንግል ጓል ጽዮን ንዒቓትካን ኣላጊጻትልካን። ጓል የሩሳሌም ርእሳ ነቕኒቓትልካ። 22 ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝጸረፍካዮን፧+ ንመን ኢኻ ድምጽኻ ዓው ዘበልካሉ፧+ ንመንከ ኢኻ እተን ዕቡያት ኣዒንትኻ ዘልዓልካሉ፧ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።+ 23 ብልኡኻትካ+ ንየሆዋ ኸምዚ ኢልካ ኣባጪኻሉ፦+ ‘ብብዙሓት ሰረገላታተይናብ ልዑል ኣኽራን፡ ናብ ግሉል ክፋላት ሊባኖስ ክድይብ፡ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሳቱ፡ ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱ* ክቘርጽ፡ናብቲ ዝረሓቐ መዕቈቢኡ፡ ናብቲ ጽዑቕ ዱሩ ኸኣ ክኣቱ እየ። 24 ዒላታት ኵዒተ ጓና ማያት ክሰቲ፡ንዅሉ ርባታት* ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ ከንቅጾ እየ።’ 25 ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ ካብ ጥንቲ ተወሲኑ* እዩ።+ ካብ ቀደም ኣዳልየዮ* እየ።+ ሕጂ ኸምጽኦ እየ።+ ንእተዓርዳ ኸተማታት ኵምራታት ዑና ኽትገብረን ኢኻ።+ 26 ነበርተን ድማ ረዳኢ ኣልቦ ኪዀኑ እዮም፣ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም። ከም ኣትክልቲ መሮር፡ ከም ለምለም ሳዕሪ፡+ከምቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሓረረ ሳዕሪ ናሕሲ ኪዀኑ እዮም። 27 ኣነ ግና መዓስ ከም እትቕመጥን እትወጽእን እትኣቱን፡+መዓስ ከኣ ከም እትንድረለይ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣+ 28 ከመይሲ፡ እቲ ዝነደርካለይን+ ዝጨደርካለይን ናብ ኣእዛነይ በጺሑ እዩ።+ ስለዚ፡ ዓንቃሪቦይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡ ልጓመይ+ ድማ ኣብ መንጎ ኸናፍርካ ኽገብር፡በታ ዝመጻእካላ መገዲ ኸኣ ክመልሰካ እየ።”+ 29 “‘እዚ ድማ ንዓኻ* ምልክት ይኹንካ፦ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡* ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዕ ኢኻ፣+ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዓጽዱን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።+ 30 እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ዘምለጡ ተረፍ፡+ ናብ ታሕቲ ሱር ኪሰድዱ፡ ናብ ላዕሊ ኸኣ ፍረ ኺፈርዩ እዮም። 31 ከመይሲ፡ ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሓኑ ኺወጹ እዮም። ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብሮ እዩ።+ 32 “‘ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦+ “ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡+ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይኪውርውርን፡ብዋልታ መኪቱ ኸኣ ኣይኪገጥመላን፡ዕርዲ ኸበባ እውን ኣይኪዅምረላን እዩ።+ 33 በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ እዩ፣ናብዛ ኸተማ እዚኣ እውን ኣይኪኣቱን እዩ” ይብል የሆዋ። 34 “ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ምእንታይን+ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን+ ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ።”’”+ "35 በታ ለይቲ እቲኣ፡ መልኣኽ የሆዋ ወጺኡ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ሰባት ቀተለ።+ ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ንዅሉ እቲ ሬሳታት ረኣይዎ።+" 36 ሽዑ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነቒሉ ናብ ነነዌ+ ተመልሰ፡ ኣብኣ እውን ተቐመጠ።+ 37 ኣብ ቤት* ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ ኸኣ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጽርን ብሰይፊ ቐተልዎ፣+ ናብ ምድሪ ኣራራት+ ድማ ኣምለጡ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን+ ነገሰ። 20 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ።+ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፡ ንቤተ ሰብካ ተላቦ’” በሎ።+ 2 ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦ 3 “ኦ የሆዋ፡ እልምነካ ኣለኹ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ከም እተመላለስኩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እውን ጽቡቕ ከም ዝገበርኩ በጃኻ ዘክር።”+ ህዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ። 4 ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እቲ ኣጸድ ከይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጾ፦+ 5 “ተመሊስካ ንህዝቅያስ እቲ መራሕ ህዝበይ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ።+ እንሆ ድማ፡ አሕውየካ ኣለኹ።+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት የሆዋ ኽትድይብ ኢኻ።+ 6 ኣብ ዕድመኻ* 15 ዓመት ክውስኸልካ እየ፣ ንዓኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፣+ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ።”’”+ 7 ኢሳይያስ ድማ፡ “ጎጎ በለስ ኣምጽኡ” በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ምጕልንጭዋ ገበሩሉ፣ ድሕሪኡ፡ በብቝሩብ ሓወየ።+ 8 ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ “የሆዋ ኸም ዜሕውየኒ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ናብ ቤት የሆዋ ኸም ዝድይብ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧”+ ኢሉ ሓቲትዎ ነበረ። 9 ኢሳይያስ ከኣ፡ “የሆዋ ነቲ እተዛረቦ ቓል ከም ዚፍጽሞስ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፦ እቲ ጽላሎት ኣብቲ መደያይቦ* ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚት ይኺድዶ፡ ወይስ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ይመለስ፧”+ ኢሉ መለሰ። 10 ህዝቅያስ ድማ፡ “እቲ ጽላሎት ዓሰርተ ደረጃ ኺዝርጋሕ እሞ ቐሊል እዩ፣ ዓሰርተ ደረጃ ኺምለስ ግና ቀሊል ኣይኰነን” በለ። 11 ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ናብ የሆዋ ተማህለለ፣ ንሱ ድማ ነቲ ጽላሎት ኣብቲ መደያይቦ ኣሓዝ ካብቲ ወሪዱሉ ዝነበረ ደረጃታት ዓሰርተ ደረጃ ኸም ዚምለስ ገበሮ።+ 12 በታ ግዜ እቲኣ፡ በሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝነበረ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡+ ንህዝቅያስ ደብዳበታትን ህያብን ሰደደሉ። 13 ህዝቅያስ ከኣ ተቐበሎም* እሞ፡ ብዘሎ ቤት መዝገቡ፡+—ብሩርን ወርቅን ዘይቲ በለሳንን ካልእ ክቡር ዘይትን ቤት ኣጽዋሩን ኵሉ እቲ ኣብ መዛግብቱ እተረኽበን፡—ኣርኣዮም። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤቱን* ኣብ ኵሉ ግዝኣቱን ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን። 14 ድሕርዚ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን እዮም መጺኦም” በሎ።+ 15 ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ቤትካኸ* እንታይ ርእዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ኣብ ቤተይ* ዘሎ ዅሉ ርእዮም እዮም። ኣብ መዛግብተይ ዘየርኣኽዎም ነገር የልቦን” ኢሉ መለሰ። 16 ኢሳይያስ ከኣ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ቃል የሆዋ ስማዕ፦+ 17 ‘እንሆ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቤትካ* ዘሎን ኵሉ እቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ።+ ገለ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ’ ይብል የሆዋ። 18 ‘ገለ ኻብቶም እትወልዶም ደቅኻ እውን ኪውሰዱን+ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ባቢሎን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ኪዀኑን እዮም።’”+ 19 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንኢሳይያስ፡ “እቲ እተዛረብካዮ ቓል የሆዋ ጽቡቕ እዩ” በሎ።+ ወሲኹ ድማ፡ “ብዘመነይ* ሰላምን ርግኣትን* እንተ ኣልዩ፡ ጽቡቕ እዩ” በለ።+ 20 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ህዝቅያስ፡ ኵሉ እቲ ሓይሉን ከመይ ሓጽብን+ መትረብን ከም ዝገበረን ናብ ከተማ ማይ ከም ዘእተወን፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 21 ህዝቅያስ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ምናሴ+ ነገሰ።+ 3 ኣብ መበል 18 ዓመት ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ዮራም+ ወዲ ኣከኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 12 ዓመት ከኣ ነገሰ። 2 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ግናኸ፡ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ ኣምልኾ ኣርሒቕዎ ነበረ እሞ፡ ከም ኣቦኡ ወይ ከም ኣዲኡስ ኣይነበረን።+ 3 ይኹን እምበር፡ ናብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ለገበ እምበር፡+ ካብኡ ኣየልገሰን። "4 ሜሻ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ብዓል ኣባጊዕ ነበረ፣ ንንጉስ እስራኤል ድማ 100,000 ገንሸልን* 100,000 ዘይተቐምቀመ ድዑልን ይግብረሉ ነበረ።" 5 ኣከኣብ ምስ ሞተ ኸኣ፡+ ንጉስ ሞኣብ ካብ ንጉስ እስራኤል ዓለወ።+ 6 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ንጉስ ዮራም ካብ ሰማርያ ወጺኡ፡ ኵሉ እስራኤል ኣከበ። 7 ናብ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ እውን፡ “ንጉስ ሞኣብ ካባይ ዓልዩ ኣሎ። ንሞኣብ ክንዋግኣስ ምሳይዶ ትኸይድ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እኸይድ።+ ኣነ ኸማኻ እየ። ህዝበይ ከም ህዝብኻ እዩ። ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ እዮም” በሎ።+ 8 ንሱ ድማ፡ “በየናይ መገዲ ንደይብ፧” በለ። ንሱ ኸኣ፡ “ብመገዲ በረኻ ኤዶም” ኢሉ መለሰ። 9 ንጉስ እስራኤል ድማ ምስ ንጉስ ይሁዳን ምስ ንጉስ ኤዶምን+ ነቐለ። ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ መገዲ ምስ ዞሩ ኸኣ፡ ነቲ ሰራዊትን ነተን ዚስዕባኦም ዝነበራ እንስሳ ዘቤትን ማይ ሰኣኑ። 10 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል፡ “ኣየ! የሆዋ ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኦም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ጸዊዕዎም!” በለ። 11 ዮሳፋጥ ግና፡ “ብእኡ ጌርና ንየሆዋ እንሓትተሉ ነብዪ የሆዋዶ ኣብዚ የልቦን፧” በለ።+ ሓደ ኻብ ገላዉ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ “እቲ ኣብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ*+ ኤልሳእ+ ወዲ ሻፋጥ እባ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። 12 ዮሳፋጥ ከኣ፡ “ቃል የሆዋ ምስኡ ኣሎ” በለ። ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ድማ ናብኡ ወረዱ። 13 ኤልሳእ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ “ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧*+ ናብ ነብያት ኣቦኻን ናብ ነብያት ኣዴኻን ደኣ ኺድ” በሎ።+ ንጉስ እስራኤል ግና፡ “ኣይፋልን፡ ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኦም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ዝጸውዖምሲ የሆዋ እዩ” በለ። 14 ኤልሳእ ድማ፡ “ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይብልሲ፡+ ከምቲ እቲ ዘገልግሎ* የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ህያው ዝዀነ፡ ኣይምጠመትኩኻን፡ ኣይምረኣኹኻን እውን።+ 15 ሕጂ ኸኣ ብዓል በገና* ኣምጽኡለይ” በለ።+ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዐ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መጸት።+ 16 ከምዚ ድማ በለ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብዚ ስንጭሮ* እዚ ብዙሕ ጐዳጕዲ ዅዓቱ፣ 17 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ንፋስ ኣይክትርእዩን፡ ዝናም እውን ኣይክትርእዩን ኢኹም፣ እዚ ስንጭሮ* ግና ማይ ኪመልእ፡+ ካብኡ ኸኣ ንስኻትኩምን ማልኩምን ካልኦት እንስሳታትኩምን ክትሰትዩ ኢኹም።”’ 18 እዚ ግና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቐሊል እዩ፣+ ከመይሲ፡ ንሞኣብ እውን ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ።+ 19 እተዓርደት ዘበለት ከተማን+ ሕርይቲ ዘበለት ከተማን ውቕዑ፡ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ቍረጹ፡ ኵሉ ዓይኒ ማያት ድበዩ፡ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ድማ ብኣእማን ኣበላሽዉ።”+ 20 ንግሆ፡ በታ ናይ ንግሆ መስዋእቲ እኽሊ ዚቐርበላ ግዜ ኸኣ፡+ ማይ ካብ ኣንፈት ኤዶም ብሃንደበት መጸ፡ እታ ምድሪ እውን ብማይ መልአት። 21 ኵሎም ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ኪዋግእዎም ከም ዝደየቡ ምስ ሰምዑ፡ ኣጽዋር ኪጸውር ዚኽእል* ዘበለ ዅሉ ኣኽቲቶም፡ ኣብቲ ዶብ ቈሙ። 22 ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ጸሓይ ኣብቲ ማይ ተንጸባርቕ ነበረት፣ ነቶም ኣብ መንጽር ዝነበሩ ሞኣባውያን ከኣ፡ እቲ ማይ ከም ደም ቀይሕ ኰይኑ ተራእዮም። 23 ንሳቶም ድማ፡ “እዚ ደም እዩ! እቶም ነገስታት ብርግጽ ንሓድሕዶም ብሰይፊ ተቐታቲሎም። እምበኣር ሕጂ፡ ኦ ሞኣብ፡ ናብ ምርኮ!” በሉ።+ 24 ናብ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ድማ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ወቕዕዎም፡ ንሳቶም እውን ካባታቶም ሃደሙ።+ ንሞኣባውያን እናወቕዕዎም ከኣ፡ ናብ ሞኣብ ገስገሱ። 25 ሽዑ፡ ከተማታት ኣፍረሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ናብ ጽቡቕ ግራት ዘበለ እምኒ ብምድርባይ፡ ብኣእማን መልእዎ፣ ዓይኒ ማይ ዘበለ ድማ ደበዩ፣+ ጽቡቕ ኦም ዘበለ እውን ቈረጹ።+ መካበብያ ኣእማን ቂር-ሓረሰት+ ጥራይ ደው ኢሉ ተረፈ። ወንጨፍቲ ኸኣ ከቢቦም ወቕዕዋ። 26 ንጉስ ሞኣብ ድማ ብውግእ ከም እተሳዕረ ምስ ረኣየ፡ ጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ኪሓልፍ፡+ 700 ሰይፊ እተዓጥቁ ሰባት ምስኡ ወሰደ፣ ግናኸ፡ ኣይከኣሉን። 27 ሽዑ፡ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዅሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረቦ።+ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ቍጥዓ ዀነ፣ ስለዚ፡ ካብኡ ኣንሳሒቦም ናብ ምድሮም ተመልሱ። 24 ብዘመን ዮያቂም፡ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ኣንጻሩ ደየበ፣ ዮያቂም ከኣ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ፡ ተመሊሱ ዓለወ። 2 የሆዋ ድማ ዘመትቲ ጭፍራታት ከለዳውያንን+ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ዓሞናውያንን ሰደደሉ። ከምቲ የሆዋ ብገላዉኡ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ፡ ኬጥፍእዋ ኢሉ ናብ ይሁዳ ይሰድዶም ነበረ።+ 3 እዚ ድማ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚኡ ኼርሕቓ+ ኢሉ ብርግጽ ብትእዛዝ የሆዋ ዝዀነ እዩ፣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት፡+ 4 ብሰሪ እቲ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም፡+ ንየሩሳሌም ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝዀነ፣ የሆዋ ድማ ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።+ 5 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮያቂም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 6 ዮያቂም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮያኪን ነገሰ። 7 ንጉስ ባቢሎን ንዅሉ እቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዝነበረ፡ ካብ ርባ* ግብጺ+ ኽሳብ ፈለግ ኤፍራጥስ+ ወሲድዎ ነበረ እሞ፡+ ንጉስ ግብጺ ኻብ ምድሩ መሊሱ ኣይወጸን። 8 ዮያኪን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 18 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፣ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ። 9 ንሱ ድማ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣቦኡ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ። 10 በታ ግዜ እቲኣ፡ ገላዉ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣንጻር የሩሳሌም ደየቡ፣ እታ ኸተማ ኸኣ ተኸብበት።+ 11 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ድማ፡ ገላዉኡ ኸቢቦምዋ ኸለዉ ናብታ ኸተማ መጸ። 12 ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣዲኡን ገላዉኡን መሳፍንቱን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን+ ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጸ፣+ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሻምነይቲ ዓመት ንግስናኡ ማሪኹ ወሰዶ።+ 13 ካብኡ ድማ ኵሉ መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ወሰደ።+ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝገበሮ ኣቕሑ ወርቂ ቘራረጾ።+ እዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ዀነ። "14 ንዅላ የሩሳሌምን ንዅሎም መሳፍንትን+ ንዅሎም ሓያላት ጀጋኑን ንዅሎም ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን፡*+ 10,000 ሰባት ማሪኹ ወሰደ። ብዘይካ እቶም ድኻታት ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+" 15 በዚ ኸምዚ፡ ንዮያኪን+ ናብ ባቢሎን ማረኾ፣+ ንኣደ ንጉስን ንኣንስቲ ንጉስን ንኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን ንኣውራታት እታ ምድርን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶም። "16 ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኵሎም እቶም 7,000 ዚዀኑ ጀጋኑን 1,000 ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን፡* ኵላቶም ሓያላትን ንውግእ ዝሰልጠኑን፡ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰደ።" 17 ንጉስ ባቢሎን ድማ ንማታንያ ሓው ኣቦ ዮያኪን ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶ፣+ ስሙ ኸኣ ናብ ጼዴቅያስ ለወጦ።+ 18 ጼዴቅያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 21 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 11 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ሓሙጣል እዩ፣+ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። 19 ንሱ ኸኣ፡ ከም ኵሉ እቲ ዮያቂም ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 20 እዚ ድማ ብምኽንያት ቍጥዓ የሆዋ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኰነ።+ ጼዴቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዓለወ።+ 7 ኤልሳእ ድማ፡ “ቃል የሆዋ ስምዑ። የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣብ ኣፍ ደገ* ሰማርያ ዋጋ ሓደ ሴኣ* ድኹም ሓርጭ ሓደ ሲቃል፡ ዋጋ ኽልተ ሴኣ ስገም ከኣ ሓደ ሲቃል* ኪኸውን እዩ’” በለ።+ 2 እቲ ንጉስ ዚምርኰሶ ሓጋዚ ድማ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “የሆዋ መሳዅቲ ሰማያት እኳ እንተ ዚኸፍት፡ እዚ* ኪኸውን ይኽእልዶ፧” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ብኣዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፣+ ካብኡ ግና ኣይክትበልዕን ኢኻ” በሎ።+ 3 ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ድዉያት ነበሩ፣+ ንሓድሕዶም ከኣ፡ “ስለምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ ኢልና ዘለና፧ 4 ጥሜት ኣብ ከተማ ኸሎ፡+ ‘ናብ ከተማ ንእቶ’ እንተ ኢልና፡ ኣብኣ ኽንመውት ኢና። ኣብዚ ኾፍ እንተ ኢልና እውን፡ ክንመውት ኢና። እምበኣር፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንኺድ። ብህይወት እንተ ሓዲጎምና፡ ብህይወት ንነብር፣ እንተ ቐቲሎምና ኸኣ፡ ንመውት” ተባሃሃሉ። 5 ጽልግልግ ምስ በለ ድማ፡ ተንሲኦም ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኣተዉ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብኡ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። 6 የሆዋስ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ደሃይ ሰረገላታትን ደሃይ ኣፍራስን ደሃይ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ።+ ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም፡ “እንሆ፡ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ሔታውያንን ንነገስታት ግብጽን ተኻርዩ ኣንጻርና ኣምጺእዎም” ተባሃሃሉ። 7 ብኡብኡ ተንሲኦም ጽልግልግ ኢሉ ኸሎ ሃደሙ፣ ድንኳናቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን፡ ኰታስ ብዘሎ ሰፈሮም ከም ዘለዎ ሓዲጎም ምእንቲ ህይወቶም* ሃደሙ። 8 እቶም ድዉያት እቲኦም ድማ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጽሑ፡ ናብ ሓደ ኻብቲ ድንኳናት ኣትዮም በልዑን ሰተዩን። ካብኡ ኸኣ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሲዶም፡ ከይዶም ሓብእዎ። ምስ ተመልሱ ድማ፡ ናብ ካልእ ድንኳን ኣትዮም፡ ካብኡ ወሲዶም፡ ከይዶም ሓብእዎ። 9 ሽዑ፡ ንሓድሕዶም፡ “እዚ እንገብሮ ዘለና ቕኑዕ ኣይኰነን። እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ብስራት እያ። እንተ ተወላዊልናን ክሳዕ ዚነግህ ስቕ እንተ ኢልናን፡ በደል ኪዀነና እዩ። ሕጂ ኸኣ ንኺድ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ንንገር” ተባሃሃሉ። 10 ከይዶም ድማ ንሓለውቲ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ጸዊዖም፡ “ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና፣ ኣብኡ ግና እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳናትን ከም ዘለዎ ኣሎ እምበር፡ ሰብ ኰነ ድምጺ ሰብ የልቦን” ኢሎም ነገሩ። 11 እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ጸውዑ፣ ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ ድማ ተነግረ። 12 ብኡብኡ፡ ንጉስ ብለይቲ ተንሲኡ ንገላዉኡ፡ “ሶርያውያን እንታይ ከም ዝገበሩና፡ በጃኹም ክነግረኩም። ጠሚና ኸም ዘለና ፈሊጦም ኣለዉ፣+ ስለዚ፡ ‘ካብ ከተማ ኺወጹ እዮም፣ ንሕና ድማ ብህይወቶም ከለዉ ኽንሕዞምን ናብ ከተማ ኽንኣቱን ኢና’ ኢሎም ኣብ መሮር ኪሕብኡ ነቲ ሰፈር ሓዲጎምዎ ኣለዉ” በሎም።+ 13 ሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ “ካብቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ኣፍራስ፡ በጃኻ ሓሙሽተ ይውሰዱ። እንሆ፡ መወዳእታኦም ከምቶም ኣብዚ ተሪፎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል እዩ ኪኸውን። እንሆ፡ መወዳእታኦም ከምቲ ዝጠፍአ ህዝቢ እስራኤል እዩ ኪኸውን። ንዓታቶም ንስደዶም እሞ ንርአ” በለ። 14 ሽዑ፡ ክልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፣ ንጉስ ድማ፡ “ኪዱ እሞ ርኣዩ” ኢሉ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ሰደዶም። 15 ንሳቶም ከኣ ክሳብ ዮርዳኖስ ሰዓብዎም፣ ኣብ ብዘሎ መገዲ ኸኣ፡ ሶርያውያን ብስምባድ ኪሃድሙ ኸለዉ ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቕሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ። 16 ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ዘመቶ፣ ከምቲ ቓል የሆዋ ድማ፡ ዋጋ ሓደ ሴኣ ድኹም ሓርጭ ሓደ ሲቃል፡ ዋጋ ኽልተ ሴኣ ስገም ከኣ ሓደ ሲቃል ኰነ።+ 17 ንጉስ ነቲ ዚምርኰሶ ሓጋዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ሓላፍነት ሃቦ፣ ከምቲ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ግና፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ኣፍ ደገ ረገጽዎ እሞ ሞተ። 18 ከምቲ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ንንጉስ፡ “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ዋጋ ሓደ ሴኣ ድኹም ሓርጭ ሓደ ሲቃል፡ ዋጋ ኽልተ ሴኣ ስገም ከኣ ሓደ ሲቃል ኪኸውን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ዀነ።+ 19 እቲ ሓጋዚ ግና ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “የሆዋ መሳዅቲ ሰማያት እኳ እንተ ዚኸፍት፡ እዚ* ኪኸውን ይኽእልዶ፧” ኢልዎ ነበረ። ኤልሳእ ድማ፡ “ብኣዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፣ ካብኡ ግና ኣይክትበልዕን ኢኻ” ኢልዎ ነበረ። 20 እቶም ህዝቢ ኣብቲ ኣፍ ደገ ረጊጾምዎ ስለ ዝሞተ ኸኣ፡ ልክዕ ከምኡ ዀነ። 12 ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት የሁ፡+ ዮኣስ+ ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 40 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ጺብያ እዩ፣ ንሳ ኻብ ብኤር-ሸባዕ እያ።+ 2 ዮኣስ ድማ ብዅሉ እቲ ኻህን የሆያዳ ዚምህሮ ዝነበረ እዋን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ። 3 ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ+ ኣይተወገደን ነበረ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። 4 ዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት ከምዚ በሎም፦ “ኵሉ እቲ ቕዱስ መባእ ኪኸውን ናብ ቤት የሆዋ ዚመጽእ ገንዘብ፡+ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዚስልዓሉ ገንዘብን+ እቲ ንገምጋም ሰብ* ዚውሃብ ገንዘብን ኵሉ እቲ ነፍሲ ወከፍ ብልቡ ተደሪኹ ናብ ቤት የሆዋ ዜምጽኦ ገንዘብን ውሰዱ።+ 5 እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ካብ ለገስቲ* ወሲዶም፡ ንእተረኽበ ዘበለ ፍራሳት* እታ ቤት ይጸግኑሉ።”+ 6 ክሳዕ መበል 23 ዓመት ንጉስ ዮኣስ፡ እቶም ካህናት ንፍራሳት እታ ቤት ኣይጸገንዎን ነበሩ።+ 7 ንጉስ ዮኣስ ከኣ ንኻህን የሆያዳን+ ንኻልኦት ካህናትን ጸዊዑ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ፍራሳት እታ ቤት ዘይትጽግኑ ዘለኹም፧ እምበኣር፡ ንመጸገኒ ፍራሳት እታ ቤት እንተ ዘይኰይኑ፡ ደጊም ካብቶም ለገስቲ ገንዘብ ኣይትውሰዱ” በሎም።+ 8 እቶም ካህናት ድማ ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱን ንጽገና እታ ቤት ሓላፍነት ከይስከሙን ተሰማምዑ። 9 ካህን የሆያዳ ድማ ሓደ ሳጹን+ ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ፡ ናብ ቤት የሆዋ ንዚኣቱ ሰብ ብየማኑ ኣንበሮ። እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ዀይኖም ዜገልግሉ ኻህናት እውን ንዅሉ እቲ ናብ ቤት የሆዋ ዚመጽእ ገንዘብ ኣብኡ የንብርዎ ነበሩ።+ 10 ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ዚርእዩ፡ ጸሓፊ ንጉስን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደዪቦም ነቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝመጸ ገንዘብ ይእክብዎን* ይቘጽርዎን ነበሩ።+ 11 ነቲ እተቘጽረ ገንዘብ ከኣ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዚግበር ዕዮ እተሸሙ ይህብዎም ነበሩ። ንሳቶም ድማ ነቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ጸረብቲ ዕንጨይትን ሃነጽትን+ 12 ነደቕትን ወቐርቲ እምንን ይኸፍልዎም ነበሩ። ንጽገና እቲ ፍራሳት ቤት የሆዋ ኸኣ ኣዕጫውን ውቑር ኣእማንን ዓደጉ፣ እቲ ገንዘብ እውን ንዅላ እታ ቤት ንምጽጋን ዝወጸ ኻልእ ወጻኢታት ንምሽፋን ተጠቕሙሉ። 13 ግናኸ፡ ካብቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝመጸ ገንዘብ፡ ገለ እኳ ንቤት የሆዋ ገበራታት ብሩር፡ መቐዛት መጥፍኢ፡ ጭሔሎታት፡ መለኸታት፡+ ወይ ካልእ ኣቕሑ ወርቂ ወይ ብሩር ንምግባር ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን።+ 14 ነቶም ዚዓይዩ ጥራይ ይህብዎም ነበሩ፣ ብእኡ ድማ ንቤት የሆዋ ጸገንዋ። 15 እቶም ንዓየይቲ ኺህቡ እቲ ገንዘብ እተዋህቦም ሰባት እሙናት ስለ ዝነበሩ፡ ንዓታቶም ኣይጸባጸብዎምን ነበሩ።+ 16 እቲ ገንዘብ መስዋእቲ በደልን+ ገንዘብ መስዋእቲ ሓጢኣትን ግና፡ ናብ ቤት የሆዋ ኣይመጸን፣ ንሱ ናይ ካህናት ኰነ።+ 17 ሽዑ፡ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፡ ንጋት+ ተዋጊኡ ሓዛ። ድሕሪኡ፡ ንየሩሳሌም ኬጥቅዓ ወሰነ።*+ 18 ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ኵሉ እቲ እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝነበሩ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያን ዝቐደስዎ ቕዱስ መባእን ንሱ ዝቐደሶ ቕዱስ መባእን ኵሉ ኣብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን እተረኽበ ወርቅን ወሲዱ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ።+ ንሱ ድማ ካብ የሩሳሌም ኣንሰሓበ። 19 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣስ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 20 ንዮኣስ ግና ገላዉኡ ውዲት ኣለሙሉ፣+ ኣብታ ናብ ሲላ ኣብ እተውርድ መገዲ ዘላ ቤት ኵምራ*+ ኸኣ ቀተልዎ። 21 እቶም ወቒዖም ዝቐተልዎ ገላዉኡ ድማ፡ ዮዛካር ወዲ ሺምዓትን የሆዛባድ ወዲ ሾሜርን እዮም።+ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።+ 1 ድሕሪ ሞት ኣከኣብ፡ ሞኣብ+ ካብ እስራኤል ዓለወ። 2 ሽዑ፡ ኣሓዝያ ኻብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደርቢ ቤቱ በቲ ርቡብ ወደቐ እሞ ቘሰለ። ልኡኻት ልኢኹ ኸኣ፡ “ኪዱ እሞ፡ ካብዚ ቝስለይ ዝሓዊ እንተ ዀይነ፡ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን+ ሕተቱ” በሎም።+ 3 መልኣኽ የሆዋ ግና ንኤልያስ*+ እቲ ቲሽባዊ ኸምዚ በሎ፦ “ተንስእ እሞ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትረኽቦም ደይብ፡ ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሓትቱ ትኸዱ ዘለኹምሲ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ስለ ዘየልቦ ድዩ፧+ 4 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብቲ ዝደቀስካሉ ዓራት ኣይክትትንስእን ኢኻ።”’” ኤልያስ ከኣ ከደ። 5 እቶም ልኡኻት ናብኡ ምስ ተመልሱ፡ ብኡብኡ፡ “ስለምንታይ ኢኹም እተመለስኩም፧” በሎም። 6 ንሳቶም ድማ፡ “ሓደ ሰብኣይ ኪረኽበና ደዪቡ፣ ‘ኪዱ፡ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሓትት እትልእኽ ዘለኻስ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ስለ ዘየልቦ ድዩ፧ ስለዚ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብቲ ዝደቀስካሉ ዓራት ኣይክትትንስእን ኢኻ’” ኢልኩም ንገርዎ’ ኢሉና” ኢሎም መለሱሉ።+ 7 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ኺረኽበኩም ደዪቡስ፡ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ይመስል፧” ኢሉ ሓተቶም። 8 ንሳቶም ድማ፡ “ጸጓር ክዳን እተኸድነ፡+ ኣብ ሕቘኡ ኸኣ ዕጣቕ ቈርበት እተዓጥቀ ሰብኣይ እዩ”+ በልዎ። ብኡብኡ ኸኣ፡ “ኤልያስ እቲ ቲሽባዊ እዩ” በለ። 9 ንጉስ ድማ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስ 50 ሰቡ ሰደደሉ። ንሱ ናብኡ ምስ ደየበ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ። ንሱ ድማ፡ “ኣታ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡+ ንጉስ፡ ‘ውረድ’ ይብል ኣሎ” በሎ። 10 ኤልያስ ግና ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ “ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማያት ይውረድ፡+ ንዓኻን ን50 ሰብካን ከኣ ይብላዕኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ፡ ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ፡ ንዕኡን ነቶም 50 ሰቡን በልዖም። 11 ንጉስ ድማ መሊሱ ኻልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ 50 ሰቡ ሰደደሉ። ንሱ ኸኣ ከይዱ፡ “ኣታ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ፡ ‘ቀልጢፍካ ውረድ’ ይብል ኣሎ” በሎ። 12 ኤልያስ ግና፡ “ኣነ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማያት ይውረድ፡ ንዓኻን ን50 ሰብካን ከኣ ይብላዕኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ፡ ንዕኡን ነቶም 50 ሰቡን በልዖም። 13 ንጉስ ድማ መሊሱ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ 50 ሰቡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ግና ደዪቡ፡ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተምበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ሞገሱ ለመኖ፦ “ኣታ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ ህይወተይን ህይወት* እዞም 50 ገላዉኻን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኽቡራት ይኹና። 14 ነቶም ቀዳሞት ክልተ ኣሕሉቕ ሓምሳ መምስ 50 ሰቦም ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ በሊዕዎም እዩ፣ ሕጂ ግና ህይወተይ* ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኽብርቲ ትኹን።” 15 ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ ንኤልያስ፡ “ምስኡ ውረድ። ኣይትፍርሃዮ” ኢሉ ተዛረቦ። ተንሲኡ ኸኣ ምስኡ ናብ ንጉስ ወረደ። 16 ኤልያስ ድማ ንንጉስ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን+ ክትሓትት ልኡኻት ዝለኣኽካስ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ስለ ዘየልቦ ድዩ፧ ስለምንታይ ቃሉ ዘይሓተትካ፧+ ስለዚ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብቲ ዝደቀስካሉ ዓራት ኣይክትትንስእን ኢኻ’” በሎ። 17 ከምቲ ኤልያስ እተዛረቦ ቓል የሆዋ ድማ ሞተ። ወዲ ስለ ዘይነበሮ ኸኣ፡ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዮራም+ ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ክንዳኡ ዮራም*+ ነገሰ። 18 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሓዝያ፡+ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 8 ኤልሳእ ድማ ነታ ወዳ ህያው ዝገበረላ ሰበይቲ፡+ “የሆዋ ጥሜት ኪኸውን ኢሉ እዩ፡+ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ሸውዓተ ዓመት እዚ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኺ ምስ ቤተ ሰብኪ ተንሲእኪ ኺዲ፡ ክትነብርሉ ኣብ እትኽእሊ ቦታ እውን ጓና ዄንኪ ተቐመጢ” በላ። 2 እታ ሰበይቲ ኸኣ ከም ዘረባ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ገበረት። ምስ ቤተ ሰባ ኸይዳ ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን+ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠት። 3 ኣብ መወዳእታ እተን ሸውዓተ ዓመት፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሰት፣ ብዛዕባ ቤታን ብዛዕባ ግራታን ክትጠርዕ ድማ ናብ ንጉስ ከደት። 4 ንጉስ ከኣ ንገሓዚ፡ ጊልያ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “በጃኻ፡ ኵሉ እቲ ኤልሳእ ዝገበሮ ዓበይቲ ነገራት ንገረኒ” በሎ።+ 5 ምዉት ህያው ከም ዝገበረ፡+ ንሱ ንንጉስ ኪነግሮ ኸሎ፡ እታ ወዳ ህያው ዝገበረላ ሰበይቲ ብዛዕባ ቤታን ብዛዕባ ግራታን ክትጠርዕ ናብ ንጉስ መጸት።+ ሽዑ፡ ገሓዚ፡ “ጐይታይ ንጉስ፡ እታ ሰበይቲ እዚኣ እያ፣ እቲ ኤልሳእ ህያው ዝገበሮ ወዳ እውን እዚ እዩ” በሎ። 6 ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ሓተታ፣ ንሳ እውን ኣዘንተወትሉ። ንጉስ ከኣ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ መደበላ እሞ፡ ንዕኡ፡ “ናታ ዘበለ ዅሉን ካብታ ነታ ምድሪ እትሓድጋ መዓልቲ ኣትሒዛ ኽሳዕ ሕጂ እተረኽበ ዅሉ እቶት ግራታን ኣምልሰላ” በሎ። 7 ኤልሳእ ከኣ ናብ ደማስቆ+ ኸደ፣ ቤን-ሃዳድ+ ንጉስ ሶርያ ድማ ሓሚሙ ነበረ። “እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ+ መጺኡ ኣሎ” ተባሂሉ ኸኣ ተነግሮ። 8 ሽዑ፡ ንጉስ ንሓዛኤል፡+ “ህያብ ሒዝካ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ክትቅበሎ ኺድ።+ ‘ካብዚ ሕማም እዚ ኽሓዊ ድየ፧’ ኢልካ ኸኣ ብእኡ ኣቢልካ ንየሆዋ ሕተቶ” በሎ። 9 ሓዛኤል ድማ ኪቕበሎ ኸደ፡ ምስኡ እውን ናይ ደማስቆ ጽቡቕ ዘበለ 40 ጽዕነት ገመል ህያብ ሒዙ ነበረ። መጺኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ፡ “ወድኻ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ‘ካብዚ ሕማም እዚ ኽሓዊ ድየ፧’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ። 10 ኤልሳእ ድማ፡ “ኪድ እሞ፡ ‘ብርግጽ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ፣ ግናኸ፡ ብርግጽ ከም ዚመውት፡ የሆዋ ኣርእዩኒ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 11 ክሳዕ ዚሓፍር ከኣ ኣተኲሩ ጠመቶ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ በኸየ። 12 ሓዛኤል ከኣ፡ “ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ዚበኪ ዘሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ኣብ ህዝቢ እስራኤል እትገብሮ ጕድኣት ስለ ዝፈለጥኩ እየ።+ ዕርድታቶም ብሓዊ ኸተንድድ፡ ሕሩያቶም ብሰይፊ ኽትቀትል፡ ሕጻናቶም ክትሕምሽሽ፡ ጥኑሳቶም ድማ ክትቀድድ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 13 ሓዛኤል ከኣ፡ “ጊልያኻ ሓደ ኸልቢ ኽነሱስ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኸምዚ ዝበለ ተግባር ዚገብር፧” በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸም እትነግስ፡ የሆዋ ኣርእዩኒ እዩ” በሎ።+ 14 ካብ ኤልሳእ ከይዱ ድማ፡ ናብ ጐይታኡ ተመልሰ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ኤልሳእ እንታይ ኢሉካ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ብርግጽ ከም እትሓዊ ነጊሩኒ” ኢሉ መለሰ።+ 15 ንጽብሒቱ ግና፡ ሓዛኤል ምንጻፍ ዓራት ወሲዱ፡ ኣብ ማይ ኣሊኹ፡ ክሳዕ ዚመውት ኣብ ገጹ ገይሩ ሓዞ።*+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሓዛኤል ነገሰ።+ 16 ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ዮራም+ ወዲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል፡ ዮሳፋጥ ኣብ ይሁዳ ነጊሱ ኸሎ፡ ዮራም+ ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 17 ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 32 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ። 18 ጓል ኣከኣብ ሰበይቱ ዀይና ነበረት እሞ፡+ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎ፡+ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ተመላለሰ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ክፉእ ይገብር ነበረ።+ 19 የሆዋ ግና፡ ምእንቲ ጊልያኡ ዳዊት ኢሉ፡ ንዕኡን ንደቁን ወትሩ መብራህቲ ኺህቦም ኣተስፍይዎ ነበረ እሞ፡+ ንይሁዳ ኼጥፍኦ ኣይደለየን።+ 20 ብዘመኑ ኤዶም ካብ ይሁዳ ዓለወ፣+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ።+ 21 ሽዑ፡ ዮራም ምስ ኵሉ ሰረገላታቱ ናብ ጻኢር ተሳገረ፣ ብለይቲ ተንሲኡ ኸኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታትን ሰዓሮም፣ እቶም ሰራዊት ድማ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ። 22 ግናኸ፡ ኤዶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ይሁዳ ዓልዩ ኣሎ። ሊብና+ እውን በታ ግዜ እቲኣ ዓለወት። 23 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮራም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 24 ዮራም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ።+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ+ ነገሰ። 25 ኣብ መበል 12 ዓመት ዮራም ወዲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል፡ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ነገሰ።+ 26 ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓደ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓታልያ እዩ፣+ ንሳ ጓል ወዲ ዖምሪ*+ ንጉስ እስራኤል እያ። 27 ንሱ ምስ ቤት ኣከኣብ ሕምነት ነበሮ እሞ፡ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ተመላለሰ፡+ ከም ቤት ኣከኣብ እውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 28 ምስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኰይኑ ኸኣ፡ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኪዋጋእ ከደ፣+ እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ኣቝሰልዎ።+ 29 ንጉስ ዮራም ድማ ካብቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ ሶርያውያን ኣብ ራማ ዘቝሰልዎ ቝስሊ ኺሓዊ ናብ ይዝርኤል ተመልሰ።+ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ቈሲሉ* ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ኺርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ። 11 ዓታልያ+ ኣደ ኣሓዝያ፡ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡+ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ንጉስ* ኣጥፍአት።+ 2 ግናኸ፡ የሆሸባ ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሓብቲ ኣሓዝያ፡ ንዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ መንጎ እቶም ዚቕተሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ፣ ንዕኡን ንመጕዚቱን ከኣ ኣብ ውሽጣዊት መደቀሲ ኣእተወቶም። ካብ ቅድሚ ዓታልያ ድማ ሓብእዎ እሞ ኣይተቐትለን። 3 ዓታልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ነጊሳ ኸላ ኸኣ፡ ምስኣ ኣብ ቤት የሆዋ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ። 4 ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ድማ፡ የሆያዳ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ እቶም ዘብዐኛታት ካራውያንን ሓለውቲ* ቤተ መንግስትን+ ልኢኹ ናብ ቤት የሆዋ ኣምጽኦም። ምሳታቶም ኪዳን ገበረ እሞ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ኣምሓሎም፣ ሽዑ፡ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣርኣዮም።+ 5 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፦ “እቲ እትገብርዎ እዚ እዩ፦ ሲሶ ኻባኻትኩም ብሰንበት ክትዓይዩን ንቤት* ንጉስ ብጽኑዕ ክትሕልዉን ኢኹም፣+ 6 ሲሶ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ መሰረት ክትኰኑ፡ ሲሶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ እቶም ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ ዘሎ ኣፍ ደገ ኽትኰኑ ኢኹም። በብተራ ነታ ቤት ክትሕልውዋ ኢኹም። 7 እቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ኪዀኑ ዘለዎም ክልተ ኽፍልኹም፡ ንንጉስ ንምሕላው ንቤት የሆዋ ብጽኑዕ ይሓልዉ። 8 ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ብመንጎ እቲ መስርዕ ዚኣቱ ዘበለ ድማ ይቀተል። ንጉስ ናብ ዝኸዶ ዘበለ፡* ምስኡ ኹኑ።” 9 እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ+ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኻህን የሆያዳ ዝኣዘዞም ገበሩ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ነቶም ብሰንበት ኣብ ዕዮ ዝነበሩ ምስቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ዝነበሩ ሰቦም ወሲዶም ናብ ካህን የሆያዳ መጹ።+ 10 እቲ ኻህን ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናውትን ከበብቲ ዋላቱን ሃቦም። 11 እቶም ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ+ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ሸነኽ እታ ቤት ክሳብ ጸጋማይ ሸነኽ እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን+ ኣብ ጥቓ እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ ንጉስ ቈሙ። 12 የሆያዳ ድማ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ፡+ ዘውዲ ደፍኣሉ፡ ምስክር* እውን ሃቦ፣+ ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ። ብኣእዳዎም እናኣጣቕዑ ድማ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሉ።+ 13 ዓታልያ ኸኣ ደሃይ እቶም ዚጐይዩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፡ ብኡብኡ ናብቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበሩ ህዝቢ መጸት።+ 14 ከምቲ ልምዲ ድማ ንጉስ ኣብ ጥቓ ዓንዲ ቘይሙ ረኣየት።+ እቶም ኣሕሉቕን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን+ ምስ ንጉስ ነበሩ፣ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ይሕጐሱን መለኸት ይነፍሑን ነበሩ። ሽዑ፡ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። 15 ካህን የሆያዳ ግና ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሚእቲ፡+ “ካብ መንጎ እቲ መስርዕ ኣውጽእዋ፣ ንዚስዕባ ዘበለ እውን፡ ብሰይፊ ቕተልዎ!” ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ኻህንሲ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ነበረ። 16 ንሳቶም ድማ ሓዝዋ፣ ኣብታ ኣፍራስ ናብ ቤት*+ ንጉስ ዚኣትዉላ ቦታ ምስ በጽሐት ከኣ፡ ኣብኣ ተቐትለት። 17 የሆያዳ ድማ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኪዳን ገበረ፣+ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብን እውን ኪዳን ገበረ።+ 18 ድሕርዚ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ናብ ቤት* በዓል ከይዶም ነቲ መሰውኢታቱ ኣፍረስዎ፡+ ምስልታቱ ኣጸቢቖም ሰባበርዎ፣+ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ቀተልዎ።+ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቤት የሆዋ ሓለውቲ* ሸመ።+ 19 ንንጉስ ካብ ቤት የሆዋ ዓጂቦም ኬውርድዎ ኸኣ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእትን+ ዘብዐኛታት ካራውያንን ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ+ ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ወሰደ፣ ብመገዲ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ ኣቢሎም ድማ ናብ ቤት* ንጉስ መጹ። ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋን ነገስታት ተቐመጠ።+ 20 ንዓታልያ ኣብ ቤት ንጉስ ብሰይፊ ስለ ዝቐተልዋ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ተሓጐሱ፡ እታ ኸተማ እውን ሃድአት። 21 ዮኣስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።+ 2 የሆዋ ንኤልያስ+ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማያት ኪወስዶ ምስ በለ፡+ ኤልያስን ኤልሳእን+ ካብ ጊልጋል ወጺኦም ከዱ።+ 2 ኤልያስ ከኣ ንኤልሳእ፡ “የሆዋ ናብ ቤት-ኤል ስለ ዝለኣኸኒ፡ በጃኻ ኣብዚ ጽናሕ” በሎ። ኤልሳእ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” በሎ። ናብ ቤት-ኤል ድማ ከዱ።+ 3 እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት* ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦም፡ “ሎሚ የሆዋ ንጐይታኻ ኻብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ርእስነት ከም ዚወስዶ ትፈልጥ ዲኻ፧” በልዎ።+ ንሱ ድማ፡ “ፈሊጠ ኣለኹ። ስቕ ደኣ በሉ” በሎም። 4 ኤልያስ ከኣ፡ “ኤልሳእ፡ የሆዋ ናብ ያሪኮ ስለ ዝለኣኸኒ፡ በጃኻ ኣብዚ ጽናሕ” በሎ።+ ንሱ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” በሎ። ናብ ያሪኮ ድማ መጹ። 5 እቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦም፡ “ሎሚ የሆዋ ንጐይታኻ ኻብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ርእስነት ከም ዚወስዶ ትፈልጥ ዲኻ፧” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ፈሊጠ ኣለኹ። ስቕ ደኣ በሉ” በሎም። 6 ኤልያስ ከኣ፡ “የሆዋ ናብ ዮርዳኖስ ስለ ዝለኣኸኒ፡ በጃኻ ኣብዚ ጽናሕ” በሎ። ንሱ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” በሎ። ክልቲኦም ድማ ከዱ። 7 ክልቲኦም ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ 50 ኻብ ደቂ ነብያት ከይዶም ካብ ማዕዶ ደው ኢሎም ይርእዩ ነበሩ። 8 ሽዑ፡ ኤልያስ ነቲ ባርኖሱ+ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ከኣ ተመቕለ፣ ክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ምድሪ ተሳገሩ።+ 9 ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ “ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ፡ እንታይ ክገብረልካ ኸም እትደሊ ለምን” በሎ። ኤልሳእ ከኣ፡ “በጃኻ፡ ካብ መንፈስካ+ ዕጽፊ ግደዶ* ይወሃበኒ፧”+ በለ። 10 ንሱ ድማ፡ “ኣጸጋሚ ነገር ኢኻ ለሚንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከለኹ እንተ ርኢኻኒ፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ መለሰ። 11 እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ብሃንደበት ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን+ ንኽልቲኦም ፈላለዮም፣ ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማያት ዓረገ።+ 12 ኤልሳእ ከኣ እዚ እናረኣየ፡ “ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን!” ኢሉ ይጭድር ነበረ።+ ደጊም ምርኣዩ ምስ ሰኣነ፡ ንኽዳውንቱ ሒዙ ኣብ ክልተ ቐደዶ።+ 13 ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ+ ኣልዒሉ ድማ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። 14 ነቲ ኻብ ኤልያስ ዝወደቐ ባርኖስ ወሲዱ ኸኣ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ፡ “የሆዋ ኣምላኽ ኤልያስ ኣበይ ኣሎ፧” በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለ፡ ኤልሳእ ከኣ ተሳገረ።+ 15 እቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ብማዕዶ ምስ ረኣይዎ፡ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ዓሪፉ” በሉ።+ ኪቕበልዎ ኸይዶም ድማ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኦም ሰገዱሉ። 16 ንሳቶም ከኣ፡ “እንሆ፡ ሕጂ 50 ኽኢላታት ሰባት ምስ ገላዉኻ ኣለዉ። በጃኻ፡ ንጐይታኻ ኺደልይዎ ይኺዱ። ምናልባት መንፈስ* የሆዋ ኣልዒሉ፡ ኣብ ሓደ ኻብ ኣኽራን ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ስንጭሮታት ደርብይዎ ይኸውን” በሉ።+ ንሱ ግና፡ “ኣይትስደድዎም” በሎም። 17 ንሳቶም ግና ክሳዕ ዚሓፍር ግዲ በልዎ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ስደድዎም” በለ። ነቶም 50 ሰባት ድማ ሰደድዎም፣ ንሳቶም ከኣ ሰለስተ መዓልቲ ደለይዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብዎን። 18 ናብኡ ኺምለሱ ኸለዉ፡ ኣብ ያሪኮ ተቐሚጡ ነበረ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን፧” በሎም። 19 ሰብ እታ ኸተማ ድማ ንኤልሳእ፡ “ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘለኻ፡ ኣቀማምጣ እዛ ኸተማ ጽቡቕ እዩ፣+ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፣ እታ ምድሪ ኸኣ መኻን* እያ” በልዎ። 20 ንሱ ድማ፡ “ሓድሽ ጭሔሎ ኣምጽኡለይ፡ ጨው ከኣ ግበሩሉ” በሎም። ናብኡ ድማ ኣምጽኡሉ። 21 ናብ ምንጪ እቲ ማይ ወጺኡ ኸኣ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ፡+ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነዚ ማይ እዚ ኣጥዕየዮ ኣለኹ። ደጊም ኣይኬምውትን ወይ ኣይኬምክንን* እዩ’” በለ። 22 እቲ ማይ ድማ፡ ከምቲ ብኤልሳእ እተዘርበ ቓል፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ ኣሎ። 23 ካብኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበ። ብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ንኣሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ “ኣታ በራሕ፡ ደይብ! ኣታ በራሕ፡ ደይብ!” ኢሎም ኣላገጹሉ።+ 24 ንሱ ኸኣ ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ረኣዮም እሞ፡ ብስም የሆዋ ረገሞም። ሽዑ፡ ክልተ ድቢ+ ኻብ ዱር ወጺአን፡ 42 ቈልዑ ሰላልዓ።+ 25 ካብኡ ድማ ናብ ከረን ቀርሜሎስ+ ከደ፣ ካብኡ እውን ናብ ሰማርያ ተመልሰ። 4 ሓንቲ ኻብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት+ ናብ ኤልሳእ፡ “ጊልያኻ ሰብኣየይ ሞይቱ እዩ፣ ጊልያኻ ወትሩ ንየሆዋ ይፈርሆ ምንባሩ ድማ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ ሕጂ፡ ኣለቃሒ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮት ኪገብሮም መጺኡ” ኢላ ጠርዐት። 2 ኤልሳእ ከኣ፡ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ እኽእል፧ ኣብ ቤትኪ እንታይ ከም ዘሎኪ ንገርኒ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “ገረድካ ብዘይካ መቐርሰሚቶ* ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን” ኢላ መለሰት።+ 3 ንሱ ኸኣ፡ “ናብ ወጻኢ ኼድኪ፡ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራዩ ዝዀነ ኣቕሑ ለምኒ። ኣይተውሕድዮ። 4 ኣቲኺ ድማ፡ ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ማዕጾ ዕጸዊ። ንዅሉ እቲ ኣቕሑ ኸኣ ምልእዮ፡ ነቲ ዘዝመልአ ድማ ኣልግስዮ” በላ። 5 ንሳ ኸኣ ካብኡ ኸደት። ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ነቲ ማዕጾ ምስ ዓጸወቶ፡ ንሳቶም ነቲ ኣቕሑ የቕርቡላ ነበሩ፡ ንሳ እውን ተዕርቕ ነበረት።+ 6 እቲ ኣቕሑ ምስ መልአ፡ ንሓደ ኻብቶም ደቃ፡ “ካልእ ኣቕሓ ኣምጽኣለይ” በለቶ።+ ንሱ ግና፡ “ካልእ ኣቕሓ የልቦን” በላ። እቲ ዘይቲ ድማ ቈመ።+ 7 ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ኸኣ ነገረቶ፣ ንሱ ድማ፡ “ኪዲ፡ ነቲ ዘይቲ ሼጥኪ ዕዳኺ ኽፈሊ፣ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ” በላ። 8 ሓደ መዓልቲ፡ ኤልሳእ ናብ ሹነም ከደ፣+ ኣብኣ ኸኣ ሓንቲ ምርእይቲ ሰበይቲ ነበረት፣ ንሳ ድማ እንጌራ ኺበልዕ ግዲ በለቶ።+ ብእኣ ምስ ዚሓልፍ፡ እንጌራ ኺበልዕ ናብኣ የላግስ ነበረ። 9 ንሳ ኸኣ ንሰብኣያ፡ “እዚ ኣዘውቲሩ በዚ ዚሓልፍሲ፡ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ እየ። 10 በጃኻ፡ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንእሽቶ ኽፍሊ ንስራሕ+ እሞ ኣብኣ ዓራትን ሰደቓን መንበርን ቀዋሚ ቐንዴልን ንግበር። ናባና ምስ ዚመጽእ ድማ፡ ኣብኣ ኺጸንሕ ይኽእል” በለቶ።+ 11 ሓደ መዓልቲ፡ ናብኣ መጸ፡ ናብታ ኣብ ናሕሲ ዘላ ኽፍሊ ኸይዱ ኸኣ ደቀሰ። 12 ንጊልያኡ ገሓዚ+ ድማ፡ “ነዛ ሹናማዊት+ ጸውዓያ” በሎ። ንሱ ኸኣ ጸውዓ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። 13 ንሱ ድማ ንገሓዚ፡ “‘እንሆ ብዙሕ ተሸጊርክልና።+ እንታይ ኪግበረልኪ ይከኣል፧+ ንንጉስ ወይ ንሓለቓ ሰራዊት ዝዛረበልኪ ነገርዶ ኣሎኪ፧’+ እስከ በጃኻ በላ” በሎ። ንሳ ግና፡ “ኣብ መንጎ ህዝበይ እየ ዝነብር ዘለኹ” ኢላ መለሰት። 14 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ደኣ ኺግበረላ ይከኣል፧” በለ። ገሓዚ ድማ፡ “ውሉድ እምበር የብላን፣+ ሰብኣያ ኸኣ ኣሪጉ እዩ” በለ። 15 ብኡብኡ፡ “ጸውዓያ” በሎ። ንሱ ድማ ጸውዓ፣ ንሳ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው በለት። 16 ንሱ ኸኣ፡ “ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ወዲ ኽትሓቝፊ ኢኺ” በላ።+ ንሳ ግና፡ “ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ኣታ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ንገረድካ ኣይትሓስዋ” በለቶ። 17 ግናኸ፡ እታ ሰበይቲ ጠነሰት፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ድማ፡ ንዓመታኡ በታ ግዜ እቲኣ ወዲ ወለደት። 18 እቲ ቘልዓ ኸኣ ዓበየ፣ ሓደ መዓልቲ ድማ ናብቲ ምስ ዓጻዶ ዝነበረ ኣቦኡ ወጸ። 19 ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ርእሰይ፡ ርእሰይ” በሎ። ኣቦኡ ኸኣ ንጊልያኡ፡ “ጾይርካ ናብ ኣዲኡ ውሰዶ” በሎ። 20 ንሱ ድማ ጾይሩ ናብ ኣዲኡ መለሶ፣ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ሰለፋ ኾፍ በለ፣ ሽዑ ድማ ሞተ።+ 21 ንሳ ኸኣ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣደቀሰቶ፣+ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኣ ዓጽያቶ ድማ ከደት። 22 ንሰብኣያ ጸዊዓ ኸኣ፡ “ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ቀልጢፈ ኸይደ ኽምለስሲ፡ በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉን ሓንቲ ኻብተን ኣእዱግን ስደደለይ” በለቶ። 23 ንሱ ግና፡ “ስለምንታይ ኢኺ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ፧ ሰርቂ ወርሒ+ ወይ ሰንበት ኣይኰነን” በላ። ንሳ ግና፡ “ብደሓን እየ” በለት። 24 ሽዑ፡ ኣድጊ ጽዒና፡ ንጊልያኣ፡ “ቀልጥፍ ኪድ። ኣነ ኸይበልኩኻ፡ ቀስ ኣይተብለኒ” በለቶ። 25 ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ድማ ከደት። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣማዕድዩ ምስ ረኣያ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ፡ “እታ ሹናማዊት ኣብቲ እንሃ። 26 በጃኻ፡ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ፡ ‘ደሓን ዲኺ፧ ሰብኣይኪኸ ደሓን ድዩ፧ ወድኺኸ ደሓን ድዩ፧’ በላ” በሎ። ንሳ ኸኣ፡ “ደሓን” በለት። 27 ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ናብቲ ኸረን ምስ መጸት፡ ኣእጋሩ ኣጽኒዓ ሓዘቶ።+ ገሓዚ ድማ ኪደፍኣ ቐረበ፣ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ “ብጭንቂ እተመረረት* እያ እሞ፡ ሕደጋ፣ የሆዋ ኸኣ ሓቢኡለይ እዩ፡ ኣይነገረንን እውን” በለ። 28 ንሳ ድማ፡ “ወዲ ኺውሃበኒ ንጐይታይ ለሚነ ድየ፧ ‘ናይ ሓሶት ተስፋ ኣይትሃበኒ’ ኢለካዶ ኣይነበርኩን” በለት።+ 29 ብኡብኡ፡ ንገሓዚ፡ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፡+ በትረይ ኣብ ኢድካ ወሲድካ ኺድ። ሰብ እንተ ኣጓኒፉካ፡ ሰላም ኣይትበሎ፣ ሰላም እንተ ኢሉካ እውን፡ ኣይትመልሰሉ። ኬድካ ነዛ በትረይ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ። 30 ኣደ እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” በለት።+ ስለዚ፡ ተንሲኡ ምስኣ ኸደ። 31 ገሓዚ ድማ ቀዲምዎም ሓሊፉ፡ ነታ በትሪ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፣ ግናኸ፡ ደሃይ ወይ ምላሽ ኣይነበረን።+ ንኤልሳእ ኪረኽቦ ተመሊሱ ኸኣ፡ “እቲ ቘልዓ ኣይተንስአን” ኢሉ ነገሮ። 32 ኤልሳእ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፡ ኣብ ዓራቱ በጥ ኢሉ ጸንሖ።+ 33 ኣትዩ ድማ፡ ድሕሪ ኽልቲኦም ነቲ ማዕጾ ዓጸዎ፡ ናብ የሆዋ ኸኣ ጸለየ።+ 34 ኣብቲ ዓራት ደዪቡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ በጥ በለ፣ ኣፉ ኣብ ኣፉ፡ ዓይኑ ኣብ ዓይኑ፡ ኢዱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሐ፡ ሰብነት እቲ ቘልዓ ድማ ኪመውቕ ጀመረ።+ 35 ኣብታ ቤት ናብዝን ናብትን ተዛዊሩ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ኣብቲ ዓራት ደዪቡ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሐ። እቲ ቘልዓ ድማ ሸውዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ፣ ድሕርዚ፡ ኣዒንቱ ኸፈተ።+ 36 ኤልሳእ ከኣ ንገሓዚ ጸዊዑ፡ “ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ” በሎ። ንሱ ድማ ጸውዓ እሞ፡ ናብኡ ኣተወት። ንሱ ኸኣ፡ “ወድኺ ኣልዕሊ” በላ።+ 37 ኣትያ ድማ ኣብ እግሩ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፡ ወዳ ሒዛ እውን ወጸት። 38 ኤልሳእ ከኣ ናብ ጊልጋል ተመልሰ፣ ኣብታ ምድሪ ድማ ጥሜት ነበረ።+ ደቂ ነብያት+ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ንሱ ድማ ንጊልያኡ፡+ “ነቲ ዓብዪ ቝራዕ ሰኽቲትካ፡ ነዞም ደቂ ነብያት ጸብሒ ኣፍልሓሎም” በሎ። 39 ሓደ ኻባታቶም ድማ ሓምሊ ልሕቲት ኪሓምል ናብ መሮር ወጸ፣ ተኽሊ ወይኒ መሮር ረኺቡ ኸኣ፡ ካብኡ ሓምሓም መሮር ኣርዩ ኽዳኑ መልኦ። ተመሊሱ ድማ እንታይ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ቀርዲዱ ናብቲ ቝራዕ ኣእተዎ። 40 ኪበልዑ ኸኣ ነቶም ሰባት ኣቕረቡሎም፣ ካብቲ ጸብሒ ምስ በልዑ ግና፡ “ኦ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብዚ ቝራዕ ሞት ኣሎ” ኢሎም ኣእወዩ። ኪበልዕዎ ድማ ኣይከኣሉን። 41 ንሱ ኸኣ፡ “ሓርጭ ኣምጽኡ” በሎም። ናብቲ ቝራዕ ምስ ኣእተዎ ድማ፡ “ነቶም ህዝቢ ኣቕርቡሎም” በለ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ቝራዕ ዚጐድእ ነገር ኣይነበረን።+ 42 ካብ በዓል-ሻሊሻ+ ኸኣ ሓደ ሰብኣይ መጸ፣ ንሱ ድማ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ካብ በዅሪ ፍረ እተገብረ 20 ጎጎ ስገምን+ ሓደ ኸረጺት ሓድሽ እኽልን ኣምጽኣሉ።+ ኤልሳእ ከኣ፡ “ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ። 43 እቲ ጊልያኡ ድማ፡ “እዚ ደኣ ኸመይ ገይረ ን100 ሰባት ከቕርበሎም፧” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ ‘ኪበልዑን ኬትርፉን እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።+ 44 ሽዑ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፣ ከምቲ ቓል የሆዋ ድማ፡ በሊዖም ኣትረፉ።+ 16 ኣብ መበል 17 ዓመት ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፡ ኣሓዝ+ ወዲ ዮታም ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 2 ኣሓዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 20 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኹ፡ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ቅኑዕ ኣይገበረን።+ 3 ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ደኣ ተመላለሰ፣+ ከምቲ ፍንፉን ተግባር እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ ድማ፡+ ወዱ እኳ ብሓዊ ኣሕለፈ።+ 4 ኣብ በረኽትን+ ኣብ ልዕሊ ዅርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን+ ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። 5 ሽዑ፡ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ደየቡ።+ ንኣሓዝ ከኣ ከበብዎ፣ ነታ ኸተማ ግና ኪሕዝዋ ኣይከኣሉን። 6 በታ ግዜ እቲኣ፡ ረጺን ንጉስ ሶርያ ንኤላት+ ናብ ኤዶም መሊሱ፡ ንኣይሁድ* ካብ ኤላት ሰጐጎም። ኤዶማውያን ድማ ናብ ኤላት ኣትዮም፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሒዞምዋ ኣለዉ። 7 ኣሓዝ ከኣ ናብ ቲግላት-ጲሌሰር+ ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ልኢኹ፡ “ኣነ ጊልያኻን ወድኻን እየ። ደዪብካ ኻብ ኢድ እቶም ዜጥቅዑኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ኣድሕነኒ” በሎ። 8 ኣሓዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ፡ ንንጉስ ኣሶር ጉቦ ሰደደሉ።+ 9 ንጉስ ኣሶር ከኣ ሰምዖ እሞ፡ ናብ ደማስቆ ደዪቡ ሓዛ፣ ንህዝባ ድማ ናብ ቂር ማረኾም፣+ ንረጺን ከኣ ቀተሎ።+ 10 ንጉስ ኣሓዝ ድማ ንቲግላት-ጲሌሰር ንጉስ ኣሶር ኪቕበሎ ናብ ደማስቆ ኸደ። ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ መሰውኢ ምስ ረኣዮ፡ ንጉስ ኣሓዝ ንኻህን ኡርያ፡ ናይቲ መሰውኢ ምስልን ኣሰራርሓን ዜርኢ ንድፊ ሰደደሉ።+ 11 ካህን ኡርያ+ ኸኣ ከምቲ ንጉስ ኣሓዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ዅሉ መምርሒታት ገይሩ መሰውኢ ሰርሐ።+ ንጉስ ኣሓዝ ካብ ደማስቆ ቕድሚ ምምላሱ ድማ፡ ካህን ኡርያ ሰሪሑ ወድኦ። 12 ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ ተመልሰን ነቲ መሰውኢ ምስ ረኣዮን፡ ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ኣቕረበ።+ 13 ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቱን መስዋእቲ እኽሉን ኣቕረበ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ መስዋእቲ መስተኡ ኣፍሰሰ፡ ደም መስዋእቲ ሕብረት እውን ነጸገ። 14 ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበረ መሰውኢ ነሓሲ+ ኻብቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበረ ቦታኡ፡ ማለት ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት የሆዋን ኣግዓዞ፣ ብሸነኽ ሰሜን መሰውኢኡ ኸኣ ኣንበሮ። 15 ንጉስ ኣሓዝ ከኣ ንኻህን ኡርያ፡+ “እቲ ናይ ንግሆ ዚሓርር መስዋእትን እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽልን+ እቲ ናይ ንጉስ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን እቲ ናይ ኵሉ ህዝቢ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣብቲ ዓብዪ መሰውኢ ኣሕርር።+ ኵሉ ደም እቲ ዚሓርር መስዋእትን ኵሉ ደም ካልእ መስዋእትን ድማ ኣብ ልዕሊኡ ንጸግ። ነቲ መሰውኢ ነሓሲ ግና፡ እንታይ ከም ዝገብሮ ኽውስን እየ” በሎ። 16 ካህን ኡርያ ኸኣ ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ኣሓዝ ዝኣዘዞ ገበረ።+ 17 ንጉስ ኣሓዝ ድማ ነቲ መጋረዲ ጐድኒ እቲ ዓረብያታት+ ቈራረጾ፡ ነቲ ገበራ እውን ካብኡ ኣልገሶ፣+ ነቲ ባሕሪ ኸኣ ካብቶም ዝጾርዎ ኣብዑር ነሓሲ+ ኣውሪዱ፡ ኣብ እተነጽፈ እምኒ ኣንበሮ።+ 18 ነቲ ንሰንበት ተባሂሉ ኣብታ ቤት እተሰርሐ ኽዱን ቦታን ነቲ ብወጻኢ ዝነበረ መእተዊ ንጉስን ካብ ቤት የሆዋ ኣወገዶ፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ ብምኽንያት ንጉስ ኣሶር እዩ። 19 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሓዝ፡ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 20 ኣሓዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ* ነገሰ።+ 6 ደቂ ነብያት+ ድማ ንኤልሳእ፡ “እንሆ፡ እዛ ምሳኻ እንነብረላ ዘለና ቦታ ጸቢባትና ኣላ። 2 በጃኻ፡ ናብ ዮርዳኖስ ንኺድ። ነፍሲ ወከፍና ኻብኡ ሓሓደ ጕንዲ ንውሰድ እሞ፡ ኣብኡ እንቕመጠሉ ቦታ ንስራሕ” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ” በሎም። 3 ሓደ ኻባታቶም ድማ፡ “በጃኻ፡ ምስ ገላዉኻ ኺድ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ሕራይ፡ እኸይድ” በለ። 4 ምሳታቶም ድማ ከደ፣ ናብ ዮርዳኖስ መጺኦም ከኣ፡ ኣእዋም ቈረጹ። 5 ሓደ ኻባታቶም ኦም ኪቘርጽ ከሎ፡ ሓጺን እቲ ፋስ ተነጺሉ ናብ ማይ ወደቐ፣ ንሱ ድማ፡ “ኣየ ጐይታይ፡ ኣቕሓ ልማኖ እምበር እዩ” ኢሉ ጨርሐ። 6 እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከኣ፡ “ኣበይ ወዲቑ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ እታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ፡ ዕንጨይቲ ቘሪጹ ናብኣ ደርበዮ እሞ፡ ንሓጺን እቲ ፋስ ጸምበለል ኣበሎ። 7 ንሱ ድማ፡ “ኣልዕሎ” በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ። 8 ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከደ።+ ምስቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ “ኣብ ከምዝን ከምዝን ቦታ ምሳኻትኩም ክሰፍር እየ” ኢሉ ተማኸረ። 9 እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ+ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ሶርያውያን ኪወርዱላ እዮም እሞ፡ ብእኣ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ” ኢሉ ለኣኸሉ። 10 ንጉስ እስራኤል ከኣ ናብታ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ዘጠንቀቖ ቦታ መልእኽቲ ለኣኸ። ንሱ የጠንቅቖ ነበረ፣ እቲ እውን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት* ካብኡ ይርሕቕ ነበረ።+ 11 ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ተቘጥዐ፣ ንገላዉኡ ጸዊዑ ኸኣ፡ “እስከ ንገሩኒ! ካባናስ እቲ ኣብ ጐድኒ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ መን እዩ፧” በሎም። 12 ሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ድማ፡ “ዋላ ሓዴና ኣይኰነን፡ ጐይታይ ንጉስ። እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ ኤልሳእ እዩ ነቲ ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ እተዛረብካዮ ነገር ንንጉስ እስራኤል ዚነግሮ” በሎ።+ 13 ንሱ ኸኣ፡ “ዚሕዝዎ ምእንቲ ኽሰድድሲ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ርኣዩ” በለ። “ኣብ ዶታን+ ኣሎ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። 14 ብኡብኡ፡ ኣፍራስን ሰረገላታትን ዓብዪ ሰራዊትን ናብኣ ሰደደ፣ ብለይቲ መጺኦም ከኣ ነታ ኸተማ ኸበብዋ። 15 እቲ ጊልያ* ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ረኣየ። እቲ ጊልያ ድማ፡ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና፧” በሎ። 16 ንሱ ግና፡ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፡+ ኣይትፍራህ”+ በሎ። 17 ኤልሳእ ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ኺርእስ፡ በጃኻ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ጸለየ።+ ብኡብኡ፡ የሆዋ ኣዒንቲ እቲ ጊልያ ኸፈተ እሞ፡ ንሱ ረኣየ፣ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ፡ እቲ ኣኽራን ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ ነበረ።+ 18 እቶም ሶርያውያን ናብኡ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ኤልሳእ፡ “በጃኻ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ።+ ከምቲ ኤልሳእ ዝለመኖ ድማ፡ ብዑረት ወቕዖም። 19 ሽዑ፡ ኤልሳእ፡ “እዚኣ እታ መገዲ ኣይኰነትን፣ እዚኣ እውን እታ ኸተማ ኣይኰነትን። ናብቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብኣይ ክመርሓኩምሲ ስዓቡኒ” በሎም። ግናኸ፡ ናብ ሰማርያ መርሖም።+ 20 ኣብ ሰማርያ ምስ በጽሑ፡ ኤልሳእ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኪርእዩስ ኣዒንቶም ክፈት” በለ። የሆዋ ኸኣ ኣዒንቶም ከፈተ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰማርያ ኸም ዘለዉ ረኣዩ። 21 ንጉስ እስራኤል ምስ ረኣዮም ድማ ንኤልሳእ፡ “ክቐትሎምዶ፧ ኣቦየ፡ ክቐትሎምዶ፧” በሎ። 22 ንሱ ግና፡ “ኣይትቕተሎም። ነቶም ብሰይፍኻን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮም ትቐትሎምዶ፧ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ኪምለሱስ፡ እንጌራን ማይን ግዳ ሃቦም” በለ።+ 23 ዓብዪ ድግስ ከኣ ገበረሎም፣ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ኣሰናበቶም፡ ናብ ጐይታኦም እውን ተመልሱ። እቶም ዘመትቲ ጭፍራታት ሶርያውያን ከኣ፡+ መሊሶም ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይመጹን። 24 ድሕሪኡ፡ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ንዅሉ ሰራዊቱ* ኣኽቲቱ ደየበ፡ ንሰማርያ ድማ ከበባ።+ 25 ኣብ ሰማርያ ኸኣ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ።+ ርእሲ ኣድጊ+ ብ80 ብሩር፡ ርብዒ ቃብ* ሓርኢ ርግቢ ኸኣ ብሓሙሽተ ብሩር ክሳዕ ዚሽየጥ፡ ከበቡዋ። 26 ንጉስ እስራኤል ብልዕሊ መካበብያ ኺሓልፍ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ርድኣኒ!” ኢላ ኣእወየት። 27 ንሱ ድማ፡ “የሆዋ እንተ ዘይረዲኡክስ፡ ካብ ምንታይ እየ ኽረድኣኪ፧ ካብ ዓውዲዶ ወይ ካብ መጽመቝ ወይኒ ወይ ዘይቲ፧” በላ። 28 ንጉስ ከኣ፡ “እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ፡ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ‘ወድኺ ሃቢ እሞ፡ ሎሚ ኽንበልዖ፣ ንወደይ ከኣ ጽባሕ ክንበልዖ’ ኢላትኒ።+ 29 ሽዑ፡ ንወደይ ኣብሲልና በሊዕናዮ።+ ንጽብሒቱ ድማ፡ ‘ወድኺ ሃቢ እሞ፡ ክንበልዖ’ ኢለያ። ንሳ ግና ንወዳ ሓቢኣቶ” ኢላ መለሰት። 30 ንጉስ ከኣ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ በቲ መካበብያ ኺሓልፍ ከሎ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ኽዳውንቱ* ማቕ ተኸዲኑ ኸም ዘሎ፡ እቲ ህዝቢ ረኣየ። 31 ንሱ ኸኣ፡ “ርእሲ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ጸኒሓስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ” በለ።+ 32 ኤልሳእ ድማ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፣ እቶም ዓበይቲ እውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ንጉስ ከኣ ቀቅድሚኡ ሰብ ለኣኸ፣ እቲ ልኡኽ ቅድሚ ምምጻኡ ግና፡ ኤልሳእ ነቶም ዓበይቲ፡ “እዚ ወዲ ቐታል ነፍሲ+ ንርእሰይ ኪቘርጽ ከም ዝለኣኸዶ ርኢኹም፧ እቲ ልኡኽ ኪመጽእ ከሎ ርኢኹም፡ ነቲ ማዕጾ ዕጸውዎ፣ ነቲ ማዕጾ ዓጺኹም እውን ደፊእኩም ሓዝዎ። ደሃይ እግሪ ጐይታኡስ ድሕሪኡዶ የሎን፧” በሎም። 33 ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ልኡኽ ናብኡ መጸ፣ ንጉስ ድማ፡ “እዚ መዓት እዚ ኻብ የሆዋ እዩ። ደጊምከ ስለምንታይ እየ ንየሆዋ ዝጽበዮ፧” በለ። 25 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ንግስና ጼዴቅያስ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ኣንጻር የሩሳሌም መጸ።+ ኣንጻራ ሰፊሩ ድማ፡ ብዙርያኣ መንደቕ ከበባ ሃነጸላ።+ 2 እታ ኸተማ ድማ ክሳዕ መበል 11 ዓመት ንጉስ ጼዴቅያስ ተኸቢባ ነበረት። 3 ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ራብዐይቲ ወርሒ ኸኣ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፣+ ንህዝቢ እታ ምድሪ ድማ እንጌራ ኣይነበረን።+ 4 መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ብሓደ ቦታ ፈረሰ፣+ ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለዉ ድማ፡ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ስፍራ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ድርብ መካበብያ ዘሎ ኣፍ ደገ ኣቢሎም ሃደሙ፣ ንጉስ ከኣ ብመገዲ ዓራባ ኸደ።+ 5 እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና፡ ንንጉስ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ያሪኮ ኣርከብዎ፣ ኵሉ ሰራዊቱ ድማ ካብ ጐድኑ ፋሕ በለ። 6 ሽዑ፡ ንንጉስ ሒዞም+ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፣ ፍርዲ ኸኣ ፈረድዎ። 7 ንደቂ ጼዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሓረድዎም፣ ነቡካድነጻር ከኣ ንጼዴቅያስ ኣዒንቱ ኣዖሮ፣ ብመቝሕ ነሓሲ ኣሲሩ እውን ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ።+ 8 ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንሳ ድማ ኣብ መበል 19 ዓመት ንጉስ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።+ 9 ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን ንዅለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣንደደ፣+ ንዅለን ኣባይቲ ምርኡያት እውን ኣንደደ።+ 10 እቲ ምስቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ብዘሎ ሰራዊት ከለዳውያን ድማ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዝነበረ መካበብያ ኣፍረሶ።+ 11 ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝብን ነቶም ናብ ንጉስ ባቢሎን ከይዶም ዝነበሩ ኸዳዓትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም።+ 12 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና፡ ንገለ ኻብቶም ድኻታት ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንን ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎን ኪዀኑ ኢሉ ሓደጎም።+ 13 እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኣዕኑድ ነሓስን+ ነቲ ዓረብያታትን+ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ባሕሪ ነሓስን+ ሰባበርዎ፣ ነቲ ነሓሲ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።+ 14 ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን መቐዛት መጥፍእን ጽዋኣትን ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግል ዝነበረ ኣቕሑ ነሓስን እውን ወሰድዎ። 15 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቲ ኻብ ናይ ሓቂ ወርቅን+ ብሩርን እተገብረ መትሓዚታት ሓውን ጭሔሎታትን ወሰዶ።+ 16 ኵሉ ኣቕሑ ነሓሲ እቲ ሰሎሞን ንቤት የሆዋ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ባሕርን ዓረብያታትን ከኣ ኪምዘን ዚከኣል ኣይነበረን።+ 17 እቲ ሓደ ዓንዲ 18 እመት* ዝቝመቱ ነበረ፣+ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ርእሲ ዓንዲ ኸኣ ካብ ነሓሲ ነበረ፣ ቍመት እቲ ርእሲ ዓንዲ ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፣ ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ርእሲ ዓንዲ ዝነበረ መርበብን ሮማናትን ከኣ ካብ ነሓሲ ነበረ።+ እቲ ኻልኣይ ዓንዲ ምስ መርበቡ ድማ ከምኡ ነበረ። 18 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንሰራያ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ንጸፎንያስ+ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስተ ሓለውቲ ማዕጾን ወሰዶም።+ 19 ካብታ ኸተማ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ተመዚዙ ዝነበረ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስትን ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ምስ ንጉስ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ሓሙሽተ ሰባትን እቲ ንህዝቢ እታ ምድሪ ዚእክቦም ጸሓፊ ሓለቓ ሰራዊትን ካብ ተራ ህዝቢ እታ ምድሪ ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ 60 ሰባትን ወሰደ። 20 ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ወሲዱ፡ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም።+ 21 ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም።+ በዚ ኸምዚ፡ ይሁዳ ኻብ ምድሩ ተማረኸ።+ 22 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዘትረፎ ህዝቢ ሸሞ።+ 23 ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ሰቦምን፡ ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ኸም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ። ንሳቶም ከኣ እስማኤል ወዲ ነታንያን ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋታውን ያዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን፡ እዚኣቶም ምስ ሰቦም ነበሩ።+ 24 ገዳልያ ድማ፡ “ገላዉ ከለዳውያን ንምዃን ኣይትፍርሁ። ኣብዛ ምድሪ ተቐመጡ፣ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ፣ ጽቡቕ ድማ ኪዀነልኩም እዩ” ኢሉ ንዓታቶምን ንሰቦምን መሓለሎም።+ 25 ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ* ዝዀነ እስማኤል+ ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሻማዕ ምስ ዓሰርተ ሰባት መጸ፣ ንሳቶም ከኣ ንገዳልያ ወቕዕዎ እሞ ሞተ፣ ነቶም ምስኡ ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ኣይሁድን ከለዳውያንን እውን ቀተልዎም።+ 26 ድሕሪኡ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ እንተላይ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት፡ ንከለዳውያን ፈሪሆምዎም ነበሩ እሞ፡+ ተንሲኦም ናብ ግብጺ ኸዱ።+ 27 ኣብ መበል 37 ዓመት ምርኮ ዮያኪን+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ኣብ መበል 27 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ፈትሖ።*+ 28 ንዕኡ ኸኣ ጽቡቕ ተዛረቦ፣ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበለ። 29 ዮያኪን ከኣ ክዳውንቲ ማእሰርቱ ቐንጠጠ፣ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ድማ ወትሩ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ። 30 ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ኸኣ፡ ወትሩ ኻብ ንጉስ መዓልታዊ ቐለብ ይውሃቦ ነበረ። 10 ኣከኣብ+ ድማ ኣብ ሰማርያ 70 ኣወዳት ነበርዎ። የሁ ኸኣ ደብዳበታት ጽሒፉ ናብ ሰማርያ፡ ናብ መሳፍንቲ ይዝርኤል፡ ናብቶም ዓበይትን+ ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣከኣብን* ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ 2 “ሕጂ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣ ኽትበጽሓኩም ከላ፡ ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ኣለዉ፣ ሰረገላታትን ኣፍራስን እተዓርደት ከተማን ኣጽዋርን ከኣ ኣሎኩም። 3 ነቲ ኻብ ደቂ ጐይታኹም ዝበለጸን ዝሓሸን* ሓሪኹም፡ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ። ምእንቲ ቤት ጐይታኹም ድማ ተዋግኡ።” 4 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ፈርሁ እሞ፡ “እንሆ፡ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ኪቘሙ ዘይከኣሉስ፡+ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ኽንቀውም፧” በሉ። 5 እቲ ሓላፊ ቤተ መንግስትን* እቲ ኣመሓዳሪ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይትን ድማ ናብ የሁ፡ “ንሕና ገላዉኻ ኢና፣ እትብለና ዅሉ ኸኣ ንገብር። ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና። ኣብ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ዝመሰለካ ግበር” ኢሎም ለኣኹ። 6 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩም ናተይ እንተ ዄንኩም፡ ክትእዘዙኒ ኸኣ ፍቓደኛታት እንተ ዄንኩም፡ ኣራእስ እቶም ደቂ ጐይታኹም ናባይ ኣምጽኡ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ድማ ናብ ይዝርኤል ምጹኒ” ኢሉ ኻልአይቲ ደብዳበ ጸሓፈሎም። እቶም 70 ደቂ ንጉስ ከኣ ምስቶም ዜዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነበሩ። 7 እታ ደብዳበ ምስ በጽሓቶም፡ ነቶም ደቂ ንጉስ፡ ን70 ሰባት፡+ ወሲዶም ሓረድዎም፣ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ይዝርኤል ሰደድዎ። 8 ልኡኽ መጺኡ ኸኣ፡ “ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምጺኦምዎ” ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ፡ “ክሳዕ ንግሆ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኣብ ክልተ ዅምራ ግበርዎ” በለ። 9 ንግሆ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦ “ንስኻትኩም ንጹሃት* ኢኹም። ኣነ ደኣ እየ ንጐይታይ ውዲት ዝኣለምኩሉን ዝቐተልክዎን፣+ ንዅሎም እዚኣቶም ግና መን እዩ ቐቲልዎም፧ 10 እምበኣር፡ ካብቲ የሆዋ ኣንጻር ቤት ኣከኣብ እተዛረቦ፡ ሓንቲ ቓል የሆዋ እውን ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ፍለጡ፣+ የሆዋ ኸኣ ነቲ ብጊልያኡ ኤልያስ እተዛረቦ ገይርዎ ኣሎ።”+ 11 የሁ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ይዝርኤል ካብ ቤት ኣከኣብ ተሪፎም ዝነበሩን ንዅሎም ዓበይቱን ፈለጥቱን ካህናቱን+ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ቐተሎም።+ 12 ተንሲኡ ኸኣ ናብ ሰማርያ ኸደ። እታ ናይ ጓሶት ቤት ቀይዲ* ድማ ኣብ መገዲ ነበረት። 13 የሁ ኸኣ ንኣሕዋት ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳ ተጓነፎም እሞ፡ “ንስኻትኩም መን ኢኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ንሕና ኣሕዋት ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ኢና፣ ንደቂ ንጉስን ንደቂ ኣደ ንጉስን* ሰላም ክንብል ከኣ ንወርድ ኣለና” በሉ። 14 ብኡብኡ፡ “ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም!” በለ። ን42 ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ሒዞም ድማ ኣብ መዕቘር ማይ እቲ ቤት ቀይዲ ሓረድዎም። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣየትረፈን።+ 15 ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ዮናዳብ+ ወዲ ሬካብ+ ኪቕበሎ ኺመጽእ ከሎ ረኸቦ። ሰላም ምስ በሎ* ድማ፡ “ከምቲ ልበይ ምስ ልብኻ ዝዀነ፡ ልብኻ ምሉእ ብምሉእ ምሳይ* ድዩ፧” በሎ። ዮናዳብ ከኣ፡ “ከምኡ እዩ” ኢሉ መለሰ። “ከምኡ እንተ ዀይኑስ፡ ኢድካ ሃበኒ።” ኢዱ ድማ ሃቦ፣ የሁ ኸኣ ናብኡ ናብ ሰረገላ ኣደየቦ። 16 “ንዓ ምሳይ እሞ ንየሆዋ ንዚቀናቐን ከም ዘይጻወር* ርአ” ድማ በሎ።+ ኣብ ሰረገላኡ ኸኣ ኣደየብዎ። 17 ናብ ሰማርያ ድማ መጸ፣ ከምቲ የሆዋ ንኤልያስ እተዛረቦ ቓል ከኣ፡+ ንዅሎም እቶም ካብ ቤት ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ ዝተረፉ ኽሳዕ ዜጽንቶም ቀተሎም።+ 18 የሁ ድማ ንዅሎም ህዝቢ ኣኪቡ ኸምዚ በሎም፦ “ኣከኣብ ንበዓል ቍሩብ እዩ ኣምሊኽዎ፣+ የሁ ግና ብዝያዳ ኼምልኾ እዩ። 19 እምበኣር፡ ንዅሎም ነብያት በዓልን+ ንዅሎም ኣምለኽቱን ንዅሎም ካህናቱን+ ጸውዑለይ። ንበዓል ዓብዪ መስዋእቲ ኣሎኒ እሞ፡ ሓደ እኳ ኣይትረፍ። ዝተረፈ ዘበለ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ።” የሁ ግና ነቶም ኣምለኽቲ በዓል ምእንቲ ኼጥፍኦም ኢሉ፡ ብተንኰል እዩ እዚ ገይሩ። 20 የሁ ኸኣ፡ “ንበዓል ዓብዪ በዓል ኣውጁ”* በለ። ንሳቶም ድማ ኣወጁ። 21 ድሕርዚ፡ የሁ ናብ ብዘሎ እስራኤል ለኣኸ፣ ኵሎም ኣምለኽቲ በዓል ከኣ መጹ። ከይመጸ ዝተረፈ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ናብ ቤት* በዓል ድማ ኣተዉ፣+ ቤት በዓል ከኣ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መልአት። 22 ነቲ ኣብ ልዕሊ እንዳ ኽዳውንቲ ሓላፍነት እተዋህቦ ድማ፡ “ንዅሎም ኣምለኽቲ በዓል ክዳውንቲ ኣውጽኣሎም” በሎ። ንሱ ኸኣ ክዳውንቲ ኣውጽኣሎም። 23 የሁ ድማ ምስ ዮናዳብ+ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል ኣተወ። ንኣምለኽቲ በዓል ከኣ፡ “ብዘይካ ኣምለኽቲ በዓል፡ ኣብዚ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸይህልዉ፡ ተጠንቂቕኩም መርምሩን ርኣዩን” በሎም። 24 መስዋእቲ ሕሩድን ዚሓርር መስዋእትን ድማ ሰውኡ። የሁ ግና 80 ሰባት ኣብ ወጻኢ ኣቚሙ ነበረ፣ ንዓታቶም ከኣ፡ “ካብዞም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ዝህበኩም ዘለኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምሊጡ፡ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ህይወትኩም* ክትሓልፍ እያ” ኢልዎም ነበረ። 25 ዚሓርር መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ወድአ፡ የሁ ነቶም ሓለውትን* ነቶም ሓገዝትን፡ “እተዉ እሞ ቕተልዎም! ሓደ እኳ ኣየምልጥ!” በሎም።+ እቶም ሓለውትን እቶም ሓገዝትን ድማ ብሰይፊ ቐቲሎም ናብ ወጻኢ ደርበይዎም፣ ክሳብ እታ ውሽጣዊት መቕደስ* ቤት በዓል ከኣ ከዱ። 26 ነቲ ኣብ ቤት በዓል ዝነበረ ሓወልትታት ኣምልኾ+ ድማ ኣውጺኦም ኣንደድዎ።+ 27 ንሓወልቲ ኣምልኾ በዓል ከኣ ኣፍረስዎ፡+ ንቤት በዓል+ እውን ኣፍረስዋ፣ ከምቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዀይናቶ ዘላ ድማ ዓይኒ ምድሪ ገበርዋ። 28 በዚ ኸምዚ፡ የሁ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ። 29 ግናኸ፡ የሁ ኻብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት፡ ማለት ካብቶም ኣብ ቤት-ኤልን ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኣየልገሰን።+ 30 የሆዋ ድማ ንየሁ፡ “ንቤት ኣከኣብ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዅሉ ብምግባር ጽቡቕ ስለ ዝገበርካን ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ስለ ዝገበርካን፡+ ኣርባዕተ ወለዶ ደቅኻ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም” በሎ።+ 31 የሁ ግና ብዅሉ ልቡ ብሕጊ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንምምልላስ ኣይተጠንቀቐን።+ ካብቲ የሮብዓም ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ኣየልገሰን።+ 32 በተን መዓልትታት እቲአን፡ የሆዋ ንእስራኤል ኪቝርምማ ጀመረ። ሓዛኤል ከኣ ኣብ ብዘሎ ሃገር እስራኤል የጥቅዖም ነበረ።+ 33 ካብ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ኵላ ምድሪ ጊልዓድ፡—ምድሪ ጋዳውያንን ሮቤላውያንን ምናስያውያንን፡+—ካብታ ኣብ ጥቓ ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ክሳብ ጊልዓድን ባሳንን የጥቅዖም ነበረ።+ 34 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ የሁ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ኵሉ ሓይሉን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 35 የሁ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ሰማርያ ኸኣ ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮኣሓዝ ነገሰ።+ 36 እቲ የሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን* ከኣ 28 ዓመት እዩ። 14 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ንጉስ እስራኤል፡ ኣማስያ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 2 ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዮዓዲን እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።+ 3 ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ፣ ከም ኣቦኡ ዳዊት ግና ኣይነበረን።+ ከም ኵሉ እቲ ኣቦኡ ዮኣስ ዝገበሮ ደኣ ገበረ።+ 4 ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣+ እቲ ህዝቢ ድማ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+ 5 እታ መንግስቲ ብጽኑዕ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ምስ ኰነት፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።+ 6 ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ፡ “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይቀተሉ፣ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይቀተል” ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ ትእዛዝ የሆዋ፡ ነቶም ደቂ እቶም ቀተልቲ ነፍሲ ኣይቀተሎምን።+ "7 ካብ ኤዶማውያን+ ድማ ኣብ ስንጭሮ ጨው+ 10,000 ሰባት ቀተለ፣ ንሴላዕ ከኣ ብውግእ ሓዛ እሞ፡+ ስማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዮቅትኤል ኰነ። " 8 ኣማስያ ድማ ናብ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ንጉስ እስራኤል ልኡኻት ልኢኹ፡ “ንዓ፡ ንሓድሕድና ኣብ ውግእ ንጋጠም”* በሎ።+ 9 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦ “ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ፡ ‘ጓልካ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ግናኸ፡ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እንስሳ ዘገዳም ሓለፈ እሞ፡ ነቲ እሾዅ ረገጾ። 10 ብርግጽ ንኤዶም ወቒዕካ ኢኻ፣+ ልብኻ ድማ ተዓብዩ ኣሎ። ክበር፡ ኣብ ቤትካ* ድማ ተቐመጥ። ንይሁዳ ምሳኻ ኽትልክሞሲ፡ ስለምንታይ መዓት ኣለዓዒልካ እትወድቕ፧” 11 ኣማስያ ግና ኣይሰምዐን።+ ሽዑ፡ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ፣ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ቤት-ሸመሽ+ ናይ ይሁዳ ንሓድሕዶም ኣብ ውግእ ተጋጠሙ።+ 12 ይሁዳ ኸኣ ብእስራኤል ተሳዕረ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ቤቱ* ሃደመ። 13 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ኣብ ቤት-ሸመሽ ሓዞ። ናብ የሩሳሌም ድማ መጹ፣ ንሱ ኸኣ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ኣፍ ደገ ኤፍሬም+ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን፡+ 400 እመት* ኣፍረሰ። 14 ነቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቕሑን ወሰደ፣ ብዘይካዚ እውን ጅሆ ወሰደ። ናብ ሰማርያ ድማ ተመልሰ። 15 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣስ፡ እቲ ዝገበሮን ኵሉ ሓይሉን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡ ኣብ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 16 ዮኣስ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ነገስታት እስራኤል ድማ ኣብ ሰማርያ ተቐብረ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ የሮብዓም*+ ነገሰ። 17 ኣማስያ+ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ንጉስ እስራኤል 15 ዓመት ብህይወት ጸንሐ።+ 18 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣማስያ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 19 ኣብ የሩሳሌም ከኣ ውዲት ኣለሙሉ፣+ ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሃደመ፣ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰደዱ፡ ኣብኣ እውን ቀተልዎ። 20 ኣብ ኣፍራስ ጽዒኖም ከኣ መለስዎ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ።+ 21 ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ነቲ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ+ ዓዛርያ*+ ወሲዶም፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።+ 22 ንጉስ* ምስ ኣቦታቱ ምስ ዓረፈ፡ ንሱ ንኤላት+ ዳግም ሰርሓ፡ ናብ ይሁዳ እውን መለሳ።+ 23 ኣብ መበል 15 ዓመት ኣማስያ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ፡ የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 41 ዓመት ድማ ነገሰ። 24 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ድማ ኣየልገሰን።+ 25 ንሱ ኸምቲ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል በቲ ኻብ ጋት-ሔፈር+ ዝዀነ ጊልያኡ ነብዪ ዮናስ+ ወዲ ኣሚታይ እተዛረቦ ቓል፡ ንዶብ እስራኤል ካብ ለቦ-ሓማት*+ ክሳብ ባሕሪ ዓራባ*+ ኣምለሰ። 26 ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ኣዝዩ መሪር ጸበባ እስራኤል ርእዩ ነበረ።+ ንእስራኤል ኪረድእ ዝተረፈ፡ ረዳኢ ኣልቦ ወይ ድኹም እኳ ኣይነበረን። 27 የሆዋ ግና ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማያት ከይድምስሶ ኣተስፍዩ ነበረ።+ ስለዚ ኸኣ፡ ብኢድ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ኣድሓኖም።+ 28 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ የሮብዓም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ሓይሉን ከመይ ከም እተዋግአን ንደማስቆን+ ንሓማትን+ ናብ ይሁዳ ኣብ እስራኤል ከመይ ከም ዘምለሰንን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 29 የሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ዓረፈ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።+ 9 ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንሓደ ኻብ ደቂ ነብያት ጸዊዑ ኸምዚ በሎ፦ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፡ እዚ መቐርሰሚቶ ዘይቲ እዚ ምሳኻ ወሲድካ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ኪድ።+ 2 ኣብኣ ምስ በጻሕካ፡ ንየሁ+ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ ኣብኡ ድለዮ፣ ኣቲኻ ኸኣ ካብ መንጎ ኣሕዋቱ ኣተንሲእካ ናብ ውሻጠ ኣእትዎ። 3 ነዚ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ውሰድ እሞ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሲስካ፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ እየ”’ በሎ።+ ሽዑ፡ ማዕጾ ኸፊትካ ኸይደንጐኻ ህደም።” 4 ጊልያ እቲ ነብዪ ድማ፡ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ከደ። 5 ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ተቐሚጦም ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ሓለቓ፡ ንዓኻ መልእኽቲ ኣሎኒ” በለ። የሁ ድማ፡ “ንመንና ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ሓለቓ፡ ንዓኻ” በሎ። 6 የሁ ድማ ተንሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፣ ሽዑ፡ እቲ ጊልያ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ዘይቲ ኣፍሲሱ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ እየ።+ 7 ንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ውቓዕ፣ ኣነ ኸኣ ደም ገላዎይ ነብያትን ደም ኵሎም እቶም ብኢድ ኢዛቤል ዝሞቱ ገላዉ የሆዋን ክፈዲ እየ።+ 8 ብዘላ ቤት ኣከኣብ ከኣ ክትጠፍእ እያ፣ ካብ ኣከኣብ ድማ ተባዕታይ ዘበለ፡* እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ።+ 9 ንቤት ኣከኣብ ከኣ ከም ቤት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ+ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ። 10 ንኢዛቤል ድማ ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡+ ዚቐብራ እውን የልቦን።’” ሽዑ፡ ማዕጾ ኸፊቱ ሃደመ።+ 11 የሁ ናብቶም ገላዉ ጐይታኡ ምስ ተመልሰ፡ “ደሓን ድዩ፧ እዚ ዕቡድ እዚ ስለምንታይ እዩ መጺኡካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ፡ “ነዚ ሰብኣይ እዝን ንዘረባኡን ትፈልጥዎ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም። 12 ንሳቶም ግና፡ “ኣይፋልናን። በጃኻ ደኣ ንገረና” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከምዚ ኢሉኒ፡ ኣስዒቡ እውን፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ”’ ኢሉኒ” በሎም።+ 13 ሽዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ተቐላጢፎም ከክዳኖም ወሲዶም፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥራዩ ዝነበረ መደያይቦ ኣንጸፉ፣+ መለኸት ነፊሖም ድማ፡ “የሁ ነጊሱ!” በሉ።+ 14 የሁ+ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ንዮራም ውዲት ኣለመሉ። ዮራም ድማ ብምኽንያት ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ፡ ንሱ ምስ ኵሉ እስራኤል ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኰይኑ ይሕሉ ነበረ።+ 15 ድሕርዚ፡ ንጉስ ዮራም ካብቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ ሶርያውያን ዘቝሰልዎ ቝስሊ ኺሓዊ ናብ ይዝርኤል+ ተመልሰ።+ የሁ ኸኣ፡ “እንተ ተሰማሚዕኩም፡* ከይዱ ኣብ ይዝርኤል ከይነግርሲ፡ ካብዛ ኸተማ እዚኣ ሓደ እኳ ኣምሊጡ ኣይውጻእ” በሎም። 16 ዮራም ቈሲሉ ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ፡ የሁ ኣብ ሰረገላኡ ደዪቡ ናብ ይዝርኤል ከደ፣ ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንዮራም ኪርእዮ ወሪዱ ነበረ። 17 ሓደ ሓላዊ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ደው ኢሉ ኸሎ፡ ጭፍራ የሁ ኺመጽእ ረኣየ። ሽዑ፡ “ጭፍራ እርኢ ኣለኹ” በለ። ዮራም ከኣ፡ “ሓደ ፈረሰኛ ውሰድ እሞ ኪቕበሎም ስደዶ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ እውን ይበል” በለ። 18 ሓደ ፈረሰኛ ድማ ኪቕበሎ ኸይዱ፡ “ንጉስ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ ይብል ኣሎ” በለ። የሁ ግና፡ “ምስ ‘ሰላም’ እንታይ ኣሎካ፧ ድሕረይ ተሰለፍ!” በሎ። እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “እቲ ልኡኽ ናብኦም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን” ኢሉ ነገረ። 19 ንሱ ድማ ካልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ፣ ንሱ ናባታቶም ምስ መጸ ኸኣ፡ “ንጉስ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ ይብል ኣሎ” በለ። የሁ ግና፡ “ምስ ‘ሰላም’ እንታይ ኣሎካ፧ ድሕረይ ተሰለፍ!” በሎ። 20 እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “ናባታቶም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን፣ ከም ዕቡድ ይጋልብ ኣሎ እሞ፡ ኣጋልባኡ ኸም ኣጋልባ የሁ ወዲ ወዱ ንኒምሺ* እዩ” ኢሉ ነገረ። 21 ሽዑ፡ ዮራም፡ “ጽዓን!” በለ። ሰረገላ ድማ ተጻዕነሉ፡ ዮራም ንጉስ እስራኤልን ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ኣብ ሰሰረገላኦም ደዪቦም ንየሁ ኪቕበልዎ ወጹ። ኣብ ግራት ናቦት+ እቲ ይዝርኤላዊ ድማ ረኸብዎ። 22 ዮራም ከኣ ንየሁ ምስ ረኣዮ፡ “የሁ፡ ብሰላም ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ግና፡ “ምንዝርና ኣዴኻ ኢዛቤልን+ እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ሰላም ኪህሉ ይኽእል፧”+ በለ። 23 ሽዑ፡ ዮራም ኪሃድም ሰረገላኡ መለሰ፡ ንኣሓዝያ ኸኣ፡ “ኣሓዝያ፡ ተታሊልና ኢና!” በሎ። 24 የሁ ድማ ቀስቱ ብኢዱ ወሲዱ፡ ንዮራም ኣብ መንጎ መናዅቡ ወግኦ፣ እቲ ፍላጻ ኸኣ ብልቡ ወጸ፣ ኣብ ሰረገላኡ ድማ ተቘልዓጸ። 25 የሁ ኸኣ ንቢድቃር እቲ ሓጋዚኡ ኸምዚ በሎ፦ “ኣልዕሎ እሞ፡ ኣብ ግራት ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ደርብዮ።+ ኣነን ንስኻን ብሓባር ተወጢሕና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣከኣብ ክንስዕብ ከለና፡ የሆዋ ኣንጻሩ ኸምዚ ዚብል ከቢድ መልእኽቲ ኸም እተዛረበ ዘክር፦+ 26 ‘“ከምቲ ትማሊ ደም ናቦትን+ ደም ደቁን ዝረኣኹ” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ እውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ኽፈድየካ እየ”+ ይብል የሆዋ።’ ሕጂ ድማ፡ ከምቲ ቓል የሆዋ፡ ኣልዕሎ እሞ፡ ኣብታ ግራት ደርብዮ።”+ 27 ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እዚ ምስ ረኣየ፡ ብመገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። (ጸኒሑ፡ የሁ ሰዓቦ እሞ፡ “ንዕኡ እውን ውቕዕዎ!” በለ። ንዕኡ እውን ብመገዲ እታ ጥቓ ዪብልዓም+ ዘላ ጉር እናደየበ ኣብ ሰረገላ ኸሎ ወቕዕዎ። ናብ መጊዶ ሃዲሙ ግና፡ ኣብኣ ሞተ። 28 ገላዉኡ ድማ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ። 29 ኣሓዝያ+ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝነገሰ፡ ኣብ መበል 11 ዓመት ዮራም ወዲ ኣከኣብ እዩ ነይሩ።) 30 የሁ ናብ ይዝርኤል+ ምስ መጸ፡ ኢዛቤል+ ብዛዕባኡ ሰምዐት። ኣዒንታ ብዅሕሊ ተዃሒላ፡ ርእሳ ድማ ተሰሪሓ፡ ብመስኰት ኣንቈልቊላ ጠመተት። 31 የሁ ብኣፍ ደገ ምስ ኣተወ፡ “ዚምሪ እቲ ቐታል ጐይታኡስ ደሓንዶ ዀይኑ እዩ፧” በለት።+ 32 ናብቲ መስኰት ኣንቃዕሪሩ፡ “ምሳይ መን ኣሎ፧ መን፧” በለ።+ ብኡብኡ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ናብኡ ኣንቈልቊሎም ጠመቱ። 33 ንሱ ኸኣ፡ “ኣጽድፍዋ!” በለ። ንሳቶም ድማ ኣጽደፍዋ፡ ካብቲ ደማ ኸኣ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገ፣ ረጊጽዋ ድማ ሓለፈ። 34 ድሕርዚ ኸኣ፡ ናብ ቤት ኣትዩ በልዐን ሰተየን። ሽዑ፡ “ጓል ንጉስ እያ እሞ፡+ በጃኹም፡ ብዛዕባ እዛ ርግምቲ ገለ ግበሩ፡ ቅበርዋ እውን” በለ። 35 ኪቐብርዋ ምስ ከዱ ግና፡ ብዘይካ ሽክና ርእሳን ኣእጋራን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላን።+ 36 ተመሊሶም ምስ ነገርዎ፡ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “እዚ ነቲ የሆዋ ብጊልያኡ ኤልያስ እቲ ቲሽባዊ እተዛረቦ ኸምዚ ዚብል ቃል ዚፍጽም እዩ፦+ ‘ኣብ ግራት ይዝርኤል፡ ኣኽላባት ስጋ ኢዛቤል ኪበልዑ እዮም።+ 37 ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ “እዚኣ ኢዛቤል እያ” ኸይብሉስ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ እታ ግራት፡ ኣብ ግራት ይዝርኤል ከም ድዅዒ ኪኸውን እዩ።’” 13 ኣብ መበል 23 ዓመት ዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ+ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 17 ዓመት ከኣ ነገሰ። 2 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ በቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ከኣ ተመላለሰ፣+ ካብኡ እውን ኣየልገሰን። 3 ቍጥዓ የሆዋ+ ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ፣+ ብዅሉ ዘመኖም ከኣ ኣብ ኢድ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ቤን-ሃዳድ+ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሃቦም። 4 ዮኣሓዝ ግና ሞገስ የሆዋ ለመነ፣* የሆዋ ድማ እቲ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዝጨቈኖ ጭቈና ስለ ዝረኣየ፡ ሰምዖ።+ 5 የሆዋ ኸኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሶርያ ዜድሕኖም መድሓኒ ሃቦም፣+ እስራኤላውያን ድማ ከም ቀደሞም ኣብ ኣባይቶም ኪቕመጡ ኸኣሉ።* 6 (ግናኸ፡ ካብቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም ኣየልገሱን።+ ብእኡ ደኣ ተመላለሱ፣ እቲ ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኸኣ ኣብ ሰማርያ ቘይሙ ነበረ።) "7 ንጉስ ሶርያ ኸምቲ ኣብ ዓውዲ ዘሎ ደበቝበቛ+ ብምርጋጽ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡+ ንዮኣሓዝ 50 ፈረሰኛታትን 10 ሰረገላን 10,000 ኣጋር ተዋጋእትን ዘጠቓለለ ሰራዊት ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ። " 8 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣሓዝ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ሓይሉን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 9 ዮኣሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ሰማርያ እውን ቀበርዎ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣስ ነገሰ። 10 ኣብ መበል 37 ዓመት ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ፡ ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 16 ዓመት ድማ ነገሰ። 11 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ኣየልገሰን።+ በቲ ሓጢኣት እቲ ደኣ ተመላለሰ። 12 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣስ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ሓይሉን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 13 ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ የሮብዓም*+ ከኣ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ። ዮኣስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ።+ 14 ኤልሳእ+ ከኣ እታ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፣ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፡ “ኣቦየ፡ ኣቦየ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን!” ኢሉ በኸየ።+ 15 ኤልሳእ ከኣ፡ “ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታትን ወሰደ። 16 ንንጉስ እስራኤል ከኣ፡ “ኢድካ ኣብ ቀስቲ ኣንብር” በሎ። ኢዱ ድማ ኣብኡ ኣንበረ፣ ድሕሪኡ፡ ኤልሳእ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ ኣእዳው ንጉስ ገበረ። 17 “ነቲ ናብ ምብራቕ ዜብል መስኰት ክፈቶ” ኸኣ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ “ወርውር!” በሎ። ንሱ ኸኣ ወርወረ። ንሱ ድማ፡ “ናይ የሆዋ ፍላጻ ዓወት፡* ፍላጻ ዓወት ኣብ ልዕሊ* ሶርያ! ንሶርያ ኣብ ኣፌቅ+ ኽሳዕ እትውድኦም ክትወቕዖም* ኢኻ” በሎ። 18 ንሱ ኸኣ፡ “ፍላጻታት ውሰድ” በሎ፣ ንሱ ድማ ወሰደ። ንንጉስ እስራኤል ከኣ፡ “ንምድሪ ውቕዓያ” በሎ። ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ድማ ኣቋረጸ። 19 ሽዑ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ተቘጥዖ እሞ፡ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሳዕ ክትወቕዓ ነይሩካ! ሽዑ፡ ንሶርያ ኽሳዕ እትውድኦም ምወቓዕካዮም ኔርካ፣ ሕጂ ግና ንሶርያ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትወቕዖም ኢኻ” በሎ።+ 20 ኤልሳእ ከኣ ሞተ፡ ተቐብረ እውን። በብመጀመርታ ዓመት* ዚመጹ ሞኣባውያን ዘመትቲ ጭፍራታት+ ድማ ነበሩ። 21 ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለዉ፡ ዘማቲ ጭፍራ ረኣዩ እሞ፡ ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርብዮምዎ ሃደሙ። እቲ ሰብኣይ ንኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ ድማ፡ ህያው ኰይኑ+ ብእግሩ ደው በለ። 22 ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዅሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ጨቈኖ።+ 23 የሆዋ ግና ሞገስን ምሕረትን ገበረሎም፣+ ምእንቲ እቲ ምስ ኣብርሃምን+ ይስሃቅን+ ያእቆብን+ ዝኣተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ተገደሰሎም። ኬጥፍኦም ኣይደለየን፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን። 24 ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ምስ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ወዱ ቤን-ሃዳድ ነገሰ። 25 ሽዑ፡ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት፡ ካብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደን። ዮኣስ ከኣ ሰለስተ ሳዕ ወቕዖ፣*+ ነተን ከተማታት እስራኤል ድማ ኣምለሰን። 5 ንእማን እቲ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ የሆዋ ንሶርያ ብእኡ ኣቢሉ ዓወት* ሂብዋ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ምርኡይን ክቡርን ሰብ ነበረ። ድዉይ* እኳ እንተ ነበረ፡ ሓያል ጅግና ነበረ። 2 ሶርያውያን ኣብ ሓደ ኻብቲ ወራራቶም፡ ካብ ምድሪ እስራኤል ንእሽቶ ጓል ማሪኾም ወሰዱ፣ ንሳ ድማ ኣገልጋሊት ሰበይቲ ንእማን ኰነት። 3 ንእመቤታ ድማ፡ “ጐይታይ ነቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚበጽሖስ+ መን ምሃበ! ሽዑ፡ ካብ ደዌኡ መሕወዮ ነይሩ” በለታ።+ 4 ንሱ* ኸኣ ከይዱ ንጐይታኡ፡ እታ ኻብ ምድሪ እስራኤል ዝመጸት ጓል እተዛረበቶ ነገሮ። "5 ንጉስ ሶርያ ድማ፡ “እምበኣር ኪድ። ንንጉስ እስራኤል ከኣ ደብዳበ ኽሰድደሉ እየ” በሎ። ንሱ ድማ ዓሰርተ ታለንት* ብሩርን 6,000 ወርቅን ዓሰርተ ለውጢ ኽዳውንትን ምስኡ ሒዙ ኸደ።" 6 ነታ ደብዳበ ኸኣ ናብ ንጉስ እስራኤል ኣምጽኣ፣ ንሳ ድማ ከምዚ ትብል ነበረት፦ “ምስዛ ዝመጸትካ ደብዳበ እዚኣ፡ ካብ ደዌኡ ምእንቲ ኸተሕውዮ፡ ንጊልያይ ንእማን ናባኻ ሰዲደዮ ኣለኹ።” 7 ንጉስ እስራኤል ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ “ነዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ደዌኡ ኸሕውዮ ኢሉ ሰዲዱለይ ኣሎ እሞ፡ ዝቐትልን ብህይወት ዘንብርንሲ ኣነዶ ኣምላኽ እየ፧+ ኪብኣሰኒ ይደሊ ኸም ዘሎ በጃኹም ርኣዩለይ” በለ። 8 ኤልሳእ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዐ ግና፡ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ፡ “ስለምንታይ ክዳውንትኻ ቐዲድካ፧ ኣብ እስራኤል ነብዪ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ በጃኻ ናባይ ይምጻእ” በሎ።+ 9 ንእማን ከኣ ምስ ኣፍራሱን ምስ ሰረገላታቱን መጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ደው በለ። 10 ኤልሳእ ግና፡ ናብኡ ልኡኽ ልኢኹ፡ “ናብ ዮርዳኖስ ኬድካ፡+ ሸውዓተ ሳዕ ተሓጸብ፣+ ስጋኻ ድማ ኪምለሰካ እዩ፡ ክትነጽህ እውን ኢኻ” በሎ። 11 ሽዑ፡ ንእማን ተቘጢዑ ኪኸይድ ጀመረ እሞ፡ “እንሆ፡ ኣነስ፡ ‘ናባይ ወጺኡ፡ ኣብዚ ደው ኢሉ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ደዌ ናብዝን ናብትን እናኣበለ ብስም የሆዋ ኣምላኹ ተማህሊሉ ኼሕውየኒ እዩ’ ኢለ ነይረ። 12 ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ኣፍላግ ደማስቆ+ ዝዀነ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን፧ ኣብኡ ተሓጺበዶ ኣይምነጻህኩን፧” በለ። ነዲሩ ድማ ገጹ መሊሱ ኸደ። 13 ገላዉኡ ግና ናብኡ ቐሪቦም፡ “ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ፍሉይ ነገር ክትገብር እንተ ዚዛረበካ፡ ኣይምገበርካዮንዶ፧ ‘ተሓጸብ እሞ ንጻህ’ ጥራይ ካብ በለካ ግዳ፡ ክንደይ ብዝያዳ ዘይትገብሮ፧” በልዎ። 14 ሽዑ፡ ወሪዱ፡ ከም ቃል እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ጠሓለ።+ ድሕሪኡ፡ ስጋኡ ኸም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሰ፡+ ነጽሀ እውን።+ 15 ሽዑ፡ ንሱ ምስ ኵሉ ዓጀባኡ* ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ተመልሰ፣+ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ “ብዘይካ ኣብ እስራኤል ኣብ ኵላ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ፡ ሕጂ ፈሊጠ።+ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ካብ ጊልያኻ ገጸ በረኸት ተቐበል” በሎ። 16 ኤልሳእ ግና፡ “ከምቲ እቲ ዘገልግሎ* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ኣይቅበለካን እየ” በሎ።+ ንሱ ኸኣ ኪቕበሎ ግዲ በሎ፣ ንሱ ግና ኣበየ። 17 ሽዑ፡ ንእማን፡ “እንተ ዘይኰነስ፡ ጊልያኻ ብዘይካ ንየሆዋ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ኣይኬቕርብን እዩ እሞ፡ ንጊልያኻ ኻብዛ ምድሪ እዚኣ ኽልተ ጽዕነት በቕሊ ሓመድ ይወሃቦ። 18 የሆዋ ግዳ ንጊልያኻ በዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ይቕረ ይበለለይ፦ ጐይታይ ኣብኣ ኺሰግድ ናብ ቤት ሪሞን ምስ ዚኣቱ፡ ኣብ ኢደይ ስለ ዚድገፍ፡ ኣብ ቤት ሪሞን ክሰግድ ኣሎኒ። ኣብ ቤት* ሪሞን ምስ ዝሰግድ፡ የሆዋ ደኣ ንጊልያኻ በዚ ነገር እዚ ይቕረ ይበለለይ” በለ። 19 ንሱ ድማ፡ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ እተወሰነ ርሕቀት ተጓዕዘ። 20 ገሓዚ+ ጊልያ ኤልሳእ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡+ ‘እንሆ ጐይታይ ንንእማን+ እዚ ሶርያዊ፡ ነቲ ዘምጽኦ ኻብ ኢዱ ብዘይምቕባል፡ ንሒፍዎ። ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ደድሕሪኡ ኽጐይን ካብኡ ገለ ኽወስድን እየ’ በለ። 21 ገሓዚ ኸኣ፡ ደድሕሪ ንእማን ሰዓበ። ንእማን ድማ ደድሕሪኡ ዚጐዪ ምስ ረኣየ፡ ኪቕበሎ ኻብ ሰረገላኡ ወሪዱ፡ “ደሓንዶ፧” በሎ። 22 ንሱ ኸኣ፡ “ደሓን። ጐይታይ ደኣ፡ ‘እንሆ፡ ክልተ ኣጕባዝ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ካብ ደቂ ነብያት ሕጂ ሕጂ መጺኦምኒ። በጃኻ፡ ንዓታቶም ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን ሃቦም’ ኢሉ ልኢኹኒ” በሎ።+ 23 ንእማን ድማ፡ “አረ ኽልተ ታለንት ውሰድ” በሎ። ግዲ እውን በሎ፣+ ንሱ ኸኣ ክልተ ታለንት ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጺት ኣሲሩ፡ ክልተ ለውጢ ኽዳውንቲ ድማ ምስኡ ገይሩ፡ ንኽልተ ገላዉኡ ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ቀቅድሚኡ ጾርዎ። 24 ናብ ዖፌል* ምስ በጽሐ፡ ካብ ኢዶም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣንበሮ እሞ፡ ነቶም ሰባት ሰደዶም። ምስ ከዱ፡ 25 ኣትዩ ኣብ ጥቓ ጐይታኡ ደው በለ። ኤልሳእ ድማ፡ “ገሓዚ፡ ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ንሱ ግና፡ “ጊልያኻ ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን” በሎ።+ 26 ኤልሳእ ከኣ፡ “እቲ ሰብኣይ ኪቕበለካ ኻብ ሰረገላኡ ኺወርድ ከሎስ፡ ልበይዶ ኣብኡ ምሳኻ ኣይነበረን፧ ብሩር ክትቅበል፡ ወይ ክዳውንቲ ወይ ኣእዋም ኣውልዕ ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ ወይ ኣባጊዕ ወይ ከብቲ ወይ ገላዉን ኣግራድን ክትቅበልሲ፡ ግዜኡ ድዩ፧+ 27 ሕጂ፡ ደዌ ንእማን+ ናባኻን ናብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ኪለግብ እዩ” በሎ። ብኡብኡ፡ ድዉይ ኰይኑ፡ ከም ውርጪ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።+ 21 ምናሴ+ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 12 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 55 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ሔፍጺባ እዩ። 2 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+ 3 ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፣+ ከምቲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ኸኣ፡+ ንበዓል መሰውኢታት ኣቘመ፡ ዓንዲ ኣምልኾ* እውን ገበረ።+ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።+ 4 ኣብታ የሆዋ፡ “ኣብ የሩሳሌም ስመይ ከንብር እየ” ዝበለላ ቤት የሆዋ ኸኣ፡+ መሰውኢታት ሰርሐ።+ 5 ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ድማ ኣብቲ ኽልተ ኣጸድ ቤት የሆዋ መሰውኢታት ሰርሓሎም።+ 6 ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፣ ስሒር ገበረ፡ ፋል ደለየ፡+ ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ድማ ገበረ።+ ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ። 7 ነቲ ንሱ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኸኣ ኣብታ ቤት ኣንበሮ፣ ብዛዕባኣ ግና የሆዋ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን፡ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንሓዋሩ ኸንብር እየ።+ 8 ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዎም፡ ብዘሎ እቲ ጊልያይ ሙሴ ኺስዕብዎ ዝኣዘዞም ሕጊ ተጠንቂቖም እንተ ሓልዮም፡+ ንኣእጋር እስራኤል ካብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣይከዀብልልን እየ”+ ኢሉ ነበረ። 9 ንሳቶም ግና ኣይተኣዘዙን፣ ምናሴ ድማ ካብቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ኺገብሩ የስሕቶም ነበረ።+ 10 የሆዋ ኸኣ ብገላዉኡ ነብያት ኣቢሉ ኸምዚ ይብሎም ነበረ፦+ 11 “ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት ገይሩ ኣሎ፣ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሞራውያን+ ዝኸፍአ ገይሩ ኣሎ፣+ ንይሁዳ ኸኣ ብጽዩፋት ጣኦታቱ* ኣሕጢእዎ። 12 ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን+ ይሁዳን ንዝሰምዖ ዘበለ ኽልቲአን ኣእዛኑ ጸላዕላዕ ዜብል መዓት አምጽእ ኣለኹ።+ 13 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ እቲ ሰማርያ+ እተለክዓትሉ ገመድ መለክዒ+ ኽዝርግሕ፡ እቲ ቤት ኣከኣብ+ እተዓቀነትሉ መዐቀኒ ጽፍሒ* እውን ክጥቀም እየ። ከምቲ ሰብ ንጻሕሊ ወልዊሉ ዜጽርዮ እሞ ወልዊሉ ብኣፉ ዚደፍኦ፡ ኣነ እውን ንየሩሳሌም ወልዊለ ኸጽርያ እየ።+ 14 ንተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖም እየ፣+ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፣ ብዅሎም ጸላእቶም እውን ኪዝመቱን ኪማረኹን እዮም።+ 15 ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ገይሮም እዮም፣ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኣትሒዞም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እውን ኣዀርዮምኒ እዮም።’”+ 16 ምናሴ ኸኣ ብዘይካ እቲ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ከም ዚገብር ብምግባሩ ዝሓጥኦ ሓጢኣት፡ ንየሩሳሌም ካብ ሓደ ወሰን ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ ዚመልኣ ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ።+ 17 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ምናሴን ኵሉ እቲ ዝገበሮን እቲ ዝሓጥኦ ሓጢኣትን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 18 ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቤቱ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዑዛ ኸኣ ተቐብረ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ። 19 ኣሞን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ መሹለመት እዩ፣ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጥባ እያ። 20 ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 21 ብዅሉ እቲ ኣቦኡ እተመላለሶ መገድታት ተመላለሰ፣ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጽዩፋት ጣኦታት ከኣ የገልግሎምን ይሰግደሎምን ነበረ።+ 22 ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ድማ ሓደጎ፣ ብመገዲ የሆዋ እውን ኣይተመላለሰን።+ 23 ገላዉ ኣሞን ድማ ውዲት ኣለሙሉ እሞ ንንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 24 ህዝቢ እታ ምድሪ ግና ንዅሎም እቶም ንንጉስ ኣሞን ውዲት ዝኣለሙሉ ቐተሎም፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።+ 25 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሞን፡ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 26 ኣብ መቓብሩ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ+ ነገሰ። 15 ኣብ መበል 27 ዓመት የሮብዓም* ንጉስ እስራኤል፡ ዓዛርያ*+ ወዲ ኣማስያ+ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ።+ 2 ኪነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 16 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 52 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የኮልያ እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ። 3 ንሱ ኸምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 4 ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+ 5 የሆዋ ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖ፣ ንሱ ኸኣ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ድዉይ ነበረ፣+ ዮታም+ ወዲ ንጉስ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት* ኰይኑ ንህዝቢ እታ ምድሪ ኺፈርድ ከሎ ድማ፡ ንሱ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ።+ 6 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዓዛርያ፡+ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 7 ዓዛርያ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮታም ነገሰ። 8 ኣብ መበል 38 ዓመት ዓዛርያ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ዘካርያስ+ ወዲ የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ነገሰ። 9 ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ድማ ኣየልገሰን።+ 10 ሻሉም ወዲ ያቤሽ ከኣ ውዲት ኣለመሉ እሞ ኣብ ዪብልዓም+ ወቒዑ ቐተሎ፡+ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 11 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዘካርያስ ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 12 እቲ የሆዋ ንየሁ፡ “ኣርባዕተ ወለዶ ደቅኻ+ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም”+ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። ከምኡ ኸኣ ኰነ። 13 ኣብ መበል 39 ዓመት ዑዝያ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ሻሉም ወዲ ያቤሽ ነገሰ፣ ኣብ ሰማርያ ድማ ወርሒ ምሉእ ነገሰ። 14 ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸኣ ካብ ቲርጻ+ ናብ ሰማርያ ደዪቡ፡ ንሻሉም+ ወዲ ያቤሽ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 15 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሻሉምን እቲ ዝኣለሞ ውዲትን ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 16 ሽዑ፡ ምናሔም ካብ ቲርጻ መጺኡ፡ ኣፍ ደገታታት ስለ ዘይከፈተትሉ፡ ንቲፍሳሕን ንዅሉ ኣብኣ ዝነበረን ንኸባቢኣን ወቕዐ። ንዓኣ ወቕዓ፡ ንጥኑሳታ እውን ቀደደን። 17 ኣብ መበል 39 ዓመት ዓዛርያ ንጉስ ይሁዳ፡ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፣ ኣብ ሰማርያ ኸኣ ዓሰርተ ዓመት ነገሰ። 18 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ከኣ ኣየልገሰን።+ "19 ጱል+ ንጉስ ኣሶር ድማ ናብታ ምድሪ መጸ፣ ምናሔም ከኣ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኽትጸንዕ ምእንቲ ኺድግፎ ኢሉ ንጱል 1,000 ታለንት* ብሩር ሃቦ።+" 20 ምናሔም ድማ ነቲ ብሩር ንምእካብ፡ ነቶም ምርኡያትን ሃብታምን ሰባት ኣገበሮም።+ ንንጉስ ኣሶር ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ 50 ሲቃል* ብሩር ሃቦ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ተመልሰ፡ ኣብታ ምድሪ እውን ኣይጸንሐን። 21 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ምናሔም፡+ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 22 ምናሔም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ጴቃሕያ ነገሰ። 23 ኣብ መበል 50 ዓመት ዓዛርያ ንጉስ ይሁዳ፡ ጴቃሕያ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ ክልተ ዓመት ድማ ነገሰ። 24 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ድማ ኣየልገሰን።+ 25 ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ እቲ ሓጋዚኡ ኸኣ ውዲት ኣለመሉ እሞ፡ ንዕኡ ምስ ኣርጎብን ኣርየን ኣብ ሰማርያ ኣብ እተዓርደ ግምቢ ቤት* ንጉስ ቀተሎ። ምስኡ ድማ 50 ሰብ ጊልዓድ ነበሩ፣ ንዕኡ ቐቲሉ ኸኣ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 26 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ጴቃሕያ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 27 ኣብ መበል 52 ዓመት ዓዛርያ ንጉስ ይሁዳ፡ ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 20 ዓመት ከኣ ነገሰ። 28 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ከኣ ኣየልገሰን።+ 29 ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላት-ጲሌሰር+ ንጉስ ኣሶር ወሪሩ ንዒዮንን ንኣቤል-ቤት-ማዓካን+ ንያኖኣን ንቀደሽን+ ንሓጾርን ንጊልዓድን+ ንገሊላን፡ ንዅላ ምድሪ ንፍታሌም፡+ ሓዘን፣ ነቶም ነበርተን ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም።+ 30 ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ከኣ ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ውዲት ኣለመሉ፣ ኣብ መበል 20 ዓመት ዮታም+ ወዲ ዑዝያ ንዕኡ ወቒዑ ቐቲሉ ድማ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 31 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ጴቃሕ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 32 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤል፡ ዮታም+ ወዲ ዑዝያ+ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 33 ኪነግስ ከሎ ድማ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የሩሻ እዩ፣ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።+ 34 ንሱ ድማ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 35 ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+ ንሱ ነቲ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ሰርሖ።+ 36 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮታም፡ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 37 በተን መዓልትታት እቲአን፡ የሆዋ ንረጺን ንጉስ ሶርያን ንጴቃሕ+ ወዲ ረማልያን ኣንጻር ይሁዳ ኺሰድዶም ጀመረ።+ 38 ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝ ነገሰ። 22 ዮስያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 31 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ የዲዳ እዩ፣ ንሳ ጓል ዓዳያ ብዓል ቦጽቃት+ እያ። 2 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብዅሉ መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ተመላለሰ፣+ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን። 3 ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ ዮስያስ፡ ንጉስ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ወዲ ኣጻልያ ወዲ መሹላም፡ ናብ ቤት የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ለኣኾ፦+ 4 “ናብ ሒልቅያ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ደይብ፣ ንሱ ድማ ነቲ እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ ናብ ቤት የሆዋ ዝኣተወ ገንዘብ ይኣክቦ።+ 5 ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ይሃብዎም፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ንፍራሳት* እታ ቤት ንምጽጋን ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ዓየይቲ፡+ 6 ማለት ንኢደ ጥበበኛታትን ንሃነጽትን ንነደቕትን ይሃብዎም፣ ንሳቶም ድማ ብእኡ ነታ ቤት ንምጽጋን ዚኸውን ኣዕጫውን ውቑር ኣእማንን ይዓድጉ።+ 7 እሙናት ስለ ዝዀኑ ግና፡ ነቲ እተዋህቦም ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም።”+ 8 ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡+ “ኣብ ቤት የሆዋ መጽሓፍ ሕጊ+ ረኺበ” በሎ። ሒልቅያ ድማ፡ እታ መጽሓፍ ንሻፋን ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ ኣንበባ።+ 9 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ናብ ንጉስ ከይዱ፡ “ገላዉኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦምዎ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ሂቦምዎም” ኢሉ ነገሮ።+ 10 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ “ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጽሓፍ+ ሂቡኒ” ኢሉ ነገሮ። ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበባ። 11 ንጉስ ነቲ ቓላት እታ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ 12 ንጉስ ድማ ንኻህን ሒልቅያን ንኣሒቃም+ ወዲ ሻፋንን ንዓኽቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ እቲ ጊልያ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 13 “ኣቦታትና ንቓላት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸምቲ ዅሉ ብዛዕባና እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ እቲ ኣባና ነዲዱ ዘሎ ነድሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኬድኩም ብዛዕባ እዚ ኣብዛ እተረኽበት መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እዚ ህዝብን ምእንቲ ዅሉ ይሁዳን ንየሆዋ ሕተትዎ።” 14 ሽዑ፡ ካህን ሒልቅያን ኣሒቃምን ዓኽቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ ኸዱ።+ ንሳ ሰበይቲ ሻሉም ወዲ ቲቅዋ ወዲ ሓርሓስ፡ እቲ ሓላው ክዳውንቲ እያ፣ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፋል የሩሳሌም ድማ ትቕመጥ ነበረት። ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ተዛረብዋ።+ 15 ንሳ ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ ከምዚ በልዎ፦ 16 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦ ቓላት እታ መጽሓፍ፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን መዓት ከምጽእ እየ።+ 17 ብዅሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ኬዀርዩኒ፡+ ንዓይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይዓጥኑ ስለ ዘለዉ፡+ ነድረይ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ኺነድድ እዩ፡ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።’”+ 18 ነቲ ንየሆዋ ኽትሓትቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓላት፡ 19 እቲ ኣነ ኣንጻር እዛ ቦታ እዚኣን ነበርታን መሰክሕን መራገምን ኪዀኑ ምዃኖም እተዛረብክዎ ምስ ሰማዕካ፡ ልብኻ ስለ ዝለስለሰን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ትሕት ስለ ዝበልካን+ ክዳውንትኻ ቐዲድካ+ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻን፡ ኣነ እውን ሰሚዐካ ኣለኹ፡ ይብል የሆዋ። 20 ስለዚ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፣* ኣብ መቓብርካ ድማ ብሰላም ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣዒንትኻ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ መዓት ኣይኪርእያን እየን።’”’” ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምላሽ ኣምጽኡሉ። 17 ዳዊት ኣብ ቤቱ* ምስ ተቐመጠ፡ ንነብዪ ናታን፡+ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ቄድሮስ እነብር ኣለኹ፡+ ታቦት ኪዳን የሆዋ ግና ኣብ ማእከል ዓለባታት ድንኳን ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+ 2 ናታን ድማ ንዳዊት፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር” በሎ። 3 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጸ፦ 4 “ኪድ እሞ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሃንጸለይን ኢኻ።+ 5 ካብታ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ዘደየብኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳን፡* ካብ ሓደ ማሕደር እውን ናብ ካልእ ደኣ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ እነብር ኣይነበርኩን።+ 6 ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ኵሎም እስራኤል እተመላለስኩሉ እዋን፡ ንህዝበይ እስራኤል ኪጓሲ ንዝሸምክዎ ዝዀነ ኻብ ፈራዶ እስራኤል፡ ‘ስለምንታይ ቤት ቄድሮስ ዘይሃነጽኩምለይ፧’ ኢለዶ ሓንቲ ቓል ተዛሪበ እየ፧”’ 7 “ሕጂ ድማ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፡ ካብ መጓሰዪታት፡ ንመጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲደካ እየ።+ 8 ኣብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ንዅሎም ጸላእትኻ እውን ካብ ቅድሜኻ ኸጥፍኦም እየ።+ ንዓኻ ድማ ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት፡ ስም ክገብረልካ እየ።+ 9 ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኽምድበሉን ከስፍሮን እየ፣ ኣብኣ ኸኣ ኪነብሩ፡ ደጊም እውን ኣይኪርበሹን እዮም። እኩያት ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ገይሮም መሊሶም ኣይኪጭቍንዎምን* እዮም፣+ 10 እወ፡ ደጊም ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈራዶ ዝሸምኩላ መዓልቲ ኣትሒዞም+ ዝገበርዎም ኣይኪገብርዎምን እዮም። ንዅሎም ጸላእትኻ ኸኣ ከምበርክኾም እየ።+ ብዘይካዚ፡ ‘የሆዋ ንዓኻ ቤት* ኪሃንጸልካ እዩ’ ኢለ እነግረካ ኣለኹ። 11 “‘“መዓልትታትካ ምስ ተወድኣን ናብ ኣቦታትካ ምስ ከድካን፡ ብድሕሬኻ ሓደ ኻብ ደቅኻ ዝዀነ ዘርእኻ ኸተንስእ እየ፣+ ነቲ ንግስናኡ እውን ከጽንዖ እየ።+ 12 ንሱ ንዓይ ቤት ኪሃንጽ እዩ፣+ ኣነ ድማ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።+ 13 ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፣ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ።+ ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይ፡ ከምቲ ነቲ ኻብቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ዘርሓቕኩሉ ገይረ፡+ ካብኡ ኣይከርሕቕን እየ።+ 14 ኣብ ቤተይን ኣብ ንግስናይን ድማ ንዘለኣለም ከቝሞ እየ፣+ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።”’”+ 15 ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዝን ብምሉኡ እዚ ራእይ እዝን ነገሮ። 16 ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣትዩ ተቐመጠ እሞ፡ ከምዚ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣነ መን እየ፧ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ቤተይ እንታይ እያ፧+ 17 ኦ ኣምላኽ፡ እዚ ኸይኣክልሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርሑቕ ግዜ ኣብ ቤት ጊልያኻ ዚኸውን እውን ተዛሪብካ ኢኻ፣+ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዝያዳ ልዕል ኪብል ከም ዘለዎ ሰብ* ጌርካ ኸኣ ርኢኻኒ ኢኻ። 18 ንስኻ ንጊልያኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኻብ ኰንካስ፡ ጊልያኻ ዳዊት እሞ ብዛዕባ እቲ እተዋህበኒ ኽብሪ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኪብል ይኽእል፧+ 19 ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ጊልያኻ ኢልካን ምስ ልብኻ* ብምስምማዕን፡ ኵሉ እዚ ዓብዪ ነገራት እዚ ጌርካን ዕቤትካ ገሊጽካን ኢኻ።+ 20 ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ የልቦን፣+ ብዘይካኻ እውን ኣምላኽ የልቦን።+ ኵሉ እቲ ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮ፡ ነዚ እዩ ዜረጋግጽ። 21 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይዱ ህዝቡ ኪኸውን እተበጀዎ፡+ ዓብይን ዜፍርህን ግብርታት ብምግባር ከኣ ንርእሱ ስም ዝገበረሉ፡+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ኣብ ምድሪ ኣየናይ ህዝቢ እዩ፧+ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ኪኸውን ካብ ግብጺ እተበጆኻዮ ህዝብኻ ኢልካ፡ ንኣህዛብ ሰጐጕካዮም።+ 22 ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ንሓዋሩ ህዝብኻ ኪኸውን ገበርካዮ፣+ ንስኻ እውን ኦ የሆዋ፡ ኣምላኾም ኰንካ።+ 23 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ፡ እቲ ብዛዕባ ጊልያኻን ብዛዕባ ቤቱን ዘተስፎኻዮ ነገር ንሓዋሩ እሙን ይኹን፣ ንስኻ እውን ከምቲ ዘተስፎኻዮ ግበር።+ 24 ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንእስራኤል ኣምላኹ እዩ’ ምእንቲ ኺብሉ፡ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን* ልዕል ይበልን፣+ ቤት ጊልያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ትጽናዕ።+ 25 ኦ ኣምላኸይ፡ ንስኻስ ንጊልያኻ፡ ቤት* ከም እትሃንጸሉ ዕላማኻ ገሊጽካሉ ኢኻ። ስለዚ እዩ ጊልያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባኻ ኺጽሊ እተኣማመነ። 26 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ እውን ብዛዕባ ጊልያኻ ኣተስፊኻ ኢኻ። 27 እምበኣር፡ ንስኻ ንቤት ጊልያኻ ንምብራኽ ፍታውካ ይኹን፡ ንሳ እውን ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ትኹን፣ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ባሪኽካ ኢኻ እሞ፡ ንዘለኣለም ተባሪኻ እያ።” 18 ድሕርዚ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮምን ኣምበርከኾምን፣ ንጋትን+ ንዓድታታን ከኣ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደ።+ 2 ንሞኣብ ድማ ሰዓሮ፣+ ሞኣባውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ግብሪ ኣምጽኡሉ።+ 3 ዳዊት ከኣ ኣብ ፈለግ ኤፍራጥስ ስልጣኑ ኬቕውም ኪኸይድ ከሎ፡+ ንሃዳድዔዘር+ ንጉስ ጾባ+ ኣብ ጥቓ ሓማት+ ሰዓሮ። "4 ዳዊት ድማ ካብኡ 1,000 ሰረገላን 7,000 ፈረሰኛታትን 20,000 ኣጋር ተዋጋእትን ማረኸ።+ ዳዊት ከኣ 100 ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፡ ንዅሎም ቀንጀቦም።+" "5 እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ንሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድእዎ ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን 22,000 ቀተለ።+" 7 ዳዊት ከኣ ከበብቲ ዋላቱ ወርቂ ኻብ ገላዉ ሃዳድዔዘር ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። 8 ዳዊት ድማ ካብ ጢብሓትን ኩንን፡ ከተማታት ሃዳድዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ነሓሲ ወሰደ። ብእኡ ኸኣ ሰሎሞን ነቲ ባሕሪ ነሓስን+ ነቲ ኣዕኑድን ነቲ ኣቕሑ ነሓስን ገበረ።+ 9 ቶዑ ንጉስ ሓማት፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድዔዘር+ ንጉስ ጾባ+ ኸም ዝሰዓሮ ምስ ሰምዐ፡ 10 (ሃዳድዔዘር ምስ ቶዑ ብዙሕ ሳዕ ይዋጋእ ነበረ እሞ፡) ብኡብኡ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ድሕንነቱ ኺሓትቶን ንሃዳድዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ሓጐሱ ኺገልጸሉን ኢሉ፡ ንሃዶራም ወዱ ለኣኸሉ፣ ንሱ ድማ ኵሉ ዓይነት ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ነሓስን ኣምጽአ። 11 ንጉስ ዳዊት ከኣ ነዚ ምስቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ፡ ማለት ካብ ኤዶምን ካብ ሞኣብን ካብ ዓሞናውያንን+ ካብ ፍልስጥኤማውያንን+ ካብ ኣማሌቃውያንን+ ዝወሰዶ ብሩርን ወርቅን፡ ንየሆዋ ቐደሶ።+ "12 ኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ+ ድማ ኣብ ስንጭሮ ጨው 18,000 ኤዶማውያን ቀተለ።+" 13 ኣብ ኤዶም ከኣ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ገላዉ ዳዊት ኰኑ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+ 14 ዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነጊሱ ነበረ፣+ ንብዘሎ ህዝቡ ኸኣ ፍትሕን ጽድቅን ይገብር ነበረ።+ 15 ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ነበረ፣+ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ መዝጋቢ ነበረ። 16 ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፣ ሻውሻ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ። 17 በናያ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክረታውያንን+ እቶም ጵለታውያንን+ ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ካብ ንጉስ ቀጺሉ ቐዳማይ ቦታ ነበሮም። 23 ዳዊት ድማ ኣሪጉን ዕድመ ጸጊቡን ነበረ፣ ንወዱ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ።+ 2 ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ንኻህናትን+ ንሌዋውያንን+ ድማ ኣከቦም። "3 እቶም ካብ ወዲ 30 ንላዕሊ ዝዀኑ ሌዋውያን ከኣ ተቘጽሩ፣+ በብውልቂ፡ በብሰብኣይ እተቘጽረ ቝጽሮም 38,000 ነበረ።" "4 ካብዚኣቶም 24,000 ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤት የሆዋ ተቘጻጸርቲ ዀይኖም የገልግሉ ነበሩ፣ 6,000 ከኣ ኣሕሉቕን ፈራዶን ነበሩ፣+" "5 4,000 ሓለውቲ ኣፍ ደገ፡+ 4,000 ድማ በቲ ዳዊት “ንውዳሰ ገይረዮ” ዝበለሉ ናውቲ ገይሮም ንየሆዋ ይውድስዎ ነበሩ።+ " 6 ዳዊት ከኣ በብደቂ ሌዊ፡ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን፡+ በብኽፍልታት ወደቦም።*+ 7 ካብ ጌርሾናውያን፡ ላዕዳንን ሺምዒን እዮም። 8 ደቂ ላዕዳን፡ የሒኤል እቲ ርእስን ዜታምን ዮኤልን፡+ ሰለስተ እዮም። 9 ደቂ ሺምዒ፡ ሸሎሞትን ሓዚኤልን ሃራንን፡ ሰለስተ እዮም። እዚኣቶም ርእሲ ማይ ቤታት ላዕዳን እዮም። 10 ደቂ ሺምዒ፡ ያሓትን ዚናን የዑሽን በሪዓን እዮም። እዞም ኣርባዕተ እዚኦም፡ ደቂ ሺምዒ እዮም። 11 ያሓት ርእሲ ነበረ፣ ዚዛህ ድማ ካልኣይ። የዑሽን በሪዓን ደቂ ስለ ዘይነበርዎም ግና፡ ከም ሓደ ማይ ቤት ተቘጽሩ፡ ሓደ ቦታ ሓላፍነት እውን ነበሮም። 12 ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ይጽሃርን+ ኬብሮንን ዑዚኤልን፡+ ኣርባዕተ እዮም። 13 ደቂ ዓምራም፡ ኣሮንን ሙሴን እዮም።+ ኣሮን ከኣ ነታ ቕድስተ ቕዱሳን ኪቕድስ ንሓዋሩ ተፈልየ፣+ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ኬቕርቡን ኬገልግልዎን ወትሩ ብስሙ ኺባርኹን እዮም።+ 14 ሙሴ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ ደቁ ኣብ መንጎ ነገድ ሌዋውያን ተሰምዩ። 15 ደቂ ሙሴ፡ ጌርሾምን+ ኤልዔዘርን+ እዮም። 16 ካብ ደቂ ጌርሾም፡ ሸቡኤል+ ርእሲ ነበረ። 17 ካብ ደቂ ኤልዔዘር፡ ረሓብያ+ ርእሲ ነበረ፣ ኤልዔዘር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን፣ ደቂ ረሓብያ ግና ኣዝዮም ብዙሓት ነበሩ። 18 ካብ ደቂ ይጽሃር፡+ ሸሎሚት+ ርእሲ ነበረ። 19 ደቂ ኬብሮን፡ የሪያ እቲ ርእሲ፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤል እቲ ሳልሳይ፡ የቃምዓም+ ከኣ እቲ ራብዓይ እዮም። 20 ደቂ ዑዚኤል፡+ ሚካ እቲ ርእስን ዪሺያ እቲ ኻልኣይን እዮም። 21 ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን+ እዮም። ደቂ ማሕሊ፡ ኣልኣዛርን ቂስን እዮም። 22 ኣልኣዛር ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ከይሓደገ ሞተ። ደቂ ቂስ እቶም ኣዝማደን* ከኣ ኣእተውወን። 23 ደቂ ሙሺ፡ ማሕሊን ዔደርን የሬሞትን፡ ሰለስተ እዮም። 24 እዚኣቶም በብማይ ቤታቶም፡ ርእስታት ማይ ቤታት፡ ካብ ደቂ 20 ዓመት ንላዕሊ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት የሆዋ ዚፍጽሙ፡ በብስማቶም ተቘጺሮምን ተዘርዚሮምን እተመዝገቡ ደቂ ሌዊ እዮም። 25 ዳዊትሲ ኸምዚ ኢሉ ነበረ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ኣዕሪፍዎ ኣሎ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+ 26 ሌዋውያን ድማ ነቲ ማሕደር ወይ ነቲ ንኣገልግሎቱ ዚኸውን ኣቕሑኡ ኺጾሩ ኣይኬድልዮምን እዩ።”+ 27 ከምቲ ዳሕራይ ትእዛዝ ዳዊትሲ፡ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሌዋውያን ተቘጽሩ። 28 ዕዮኦም ከኣ ንደቂ ኣሮን ኣብ ኣገልግሎት ቤት የሆዋ ምሕጋዝ፡+ ኣብቲ ኣጸዳትን+ ኣብቲ መመገቢ ኽፍልታትን ኣብ ምንጻህ ኵሉ ቕዱስ ነገራትን ኣብቲ ንኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜድሊ ዘበለ ዕዮን ሓላፍነት ምስካም እዩ። 29 ምስ እተደራረበ እንጌራን*+ ንመስዋእቲ እኽሊ ምስ ዚኸውን ድኹም ሓርጭን ምስ ረቂቕ ቅጫን+ ምስ ቅጫ መቕሎን ምስ እተቘምጥዐን+ ምስ ኵሉ መስፈርን መዐቀንን ብእተተሓሓዘ ይሕግዙ ነበሩ። 30 ንግሆ ንግሆ+ ድማ ደው ኢሎም ንየሆዋ የመስግንዎን ይውድስዎን ነበሩ፣ ምሸት እውን ከምኡ ይገብሩ ነበሩ።+ 31 ከምቲ ብዛዕባኡ እተሰርዐ ቝጽሪ፡ ብሰናብትን+ ብሰርቅታት ወርሕን+ ብበዓላትን+ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ብዝቐረበ መጠን፡ ወትሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይሕግዙ ነበሩ። 32 ኣብ ኣገልግሎት ቤት የሆዋ፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ መቕደስን ነቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮንን ዚምልከት ሓላፍነቶም እውን ይስከሙ ነበሩ። 19 ድሕርዚ፡ ናሓሽ ንጉስ ዓሞናውያን ሞተ፣ ወዱ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።+ 2 ዳዊት ድማ፡ “ኣቦኡ ንዓይ ብተኣማንነት ስለ ዘፍቀረኒ፡+ ኣነ ኸኣ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ብተኣማንነት ከፍቅሮ እየ” በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኼጸናንዖ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ። እቶም ገላዉ ዳዊት ንሓኑን ኬጸናንዕዎ ናብ ምድሪ ዓሞናውያን+ ምስ መጹ ግና፡ 3 መሳፍንቲ ዓሞናውያን ንሓኑን፡ “ዳዊት ንኣቦኻ ኣኺቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ፧ ዳዊትሲ ኺምርምርን ኪግልብጠካን ነዛ ምድሪ ኺስልያን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ፧” በልዎ። 4 ሓኑን ድማ ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ላጽዩ፡+ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከኣ ክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም። 5 ብዛዕባ እቶም ሰባት ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ተዋሪዶም ነበሩ እሞ፡ ኪቕበልዎም ሰባት ሰደደሎም፣ ንጉስ ድማ፡ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቍል ኣብ ያሪኮ+ ጸኒሕኩም ተመለሱ” በሎም። "6 ዓሞናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ሕማቕ ጨና ኸም ዝዀኑ ረኣዩ፣ ሓኑንን ዓሞናውያንን ድማ ካብ መሶጶታምያን* ካብ ኣራም-ማዓካን ካብ ጾባን ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኪካረዩ፡ 1,000 ታለንት* ብሩር ሰደዱ።+" "7 በዚ ኸምዚ፡ 32,000 ሰረገላን ንንጉስ ማዓካን ንህዝቡን ተኻረዩ። ንሳቶም ድማ መጺኦም ኣብ ቅድሚ ሜድባ+ ሰፈሩ። ዓሞናውያን ከኣ ካብ ከተማታቶም ተኣኻኺቦም ንውግእ ወጹ። " 8 ዳዊት ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንዮኣብን+ ንብዘሎ እቲ ሰራዊትን፡ እንተላይ ነቶም ጀጋኑኡ ሰደዶም።+ 9 ዓሞናውያን ድማ ወጺኦም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ፣ እቶም ዝመጹ ነገስታት ከኣ ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 10 ዮኣብ ድማ ኣብቲ ውግእ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ኪጥቃዕ ከም ዚኽእል ምስ ረኣየ፡ ገለ ኻብቶም ሕሩያት እስራኤል ሓርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።+ 11 ነቶም ዝተረፉ ሰባት ከኣ ንዓሞናውያን ኪቀባበሉ ምእንቲ ኺስለፉ፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ* ሓዉ ኣቢሻይ ገበሮም።+ 12 ከምዚ ኸኣ በሎ፦ “ሶርያውያን+ ካባይ እንተ በርቲዖም፡ ንስኻ ኣናግፈኒ፣ ዓሞናውያን ካባኻ እንተ በርቲዖም ግና፡ ኣነ ኸናግፈካ እየ። 13 ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ንበርትዕን ንትባዕን፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ ኺገብር እዩ።” 14 ዮኣብን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፣ ንሳቶም ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ።+ 15 ዓሞናውያን ከኣ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ቅድሚ ሓዉ ኣቢሻይ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ድሕርዚ፡ ዮኣብ ናብ የሩሳሌም መጸ። 16 ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ነቶም ኣብ ዞባ እቲ ፈለግ* ዘለዉ ሶርያውያን ንምጽዋዕ ልኡኻት ለኣኹ፣+ ንዓታቶም ከኣ ሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊት ሃዳድዔዘር መርሖም።+ 17 እዚ ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ ብኡብኡ ንዅሎም እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ኣንጻሮም ተሰለፈ። ዳዊት ንሶርያውያን ኪቀባበሎም ተሰለፈ፡ ንሳቶም እውን ተዋግእዎ።+ "18 ግናኸ፡ ሶርያውያን ካብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ፣ ዳዊት ድማ ካብ ሶርያውያን 7,000 ሰብ ሰረገላን 40,000 ኣጋር ተዋጋእትን ቀተለ፣ ንሾፋኽ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ቀተሎ።" 19 እቶም ገላዉ ሃዳድዔዘር ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡+ ብቕልጡፍ ምስ ዳዊት ሰላም ገይሮም ተገዛእቱ ዀኑ።+ ሶርያውያን ድማ ድሕሪ ደጊም ንዓሞናውያን ኪረድእዎም ኣይደለዩን። 20 ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* በቲ ነገስታት ንወፈራታት ዚወጹሉ ግዜ፡ ዮኣብ፡+ ሰራዊት ንወፈራ መሪሑ ንምድሪ ዓሞናውያን ኣጥፍኣ፣ መጺኡ ኸኣ ንራባ+ ኸበባ፣ ዳዊት ድማ ኣብ የሩሳሌም ጸንሐ።+ ዮኣብ ከኣ ንራባ ኣጥቂዑ ኣፍረሳ።+ 2 ዳዊት ድማ ዘውዲ ማልካም ካብ ርእሱ ወሰደ፣ ሚዛኑ ኸኣ ሓደ ታለንት* ወርቂ ዀይኑ ረኸቦ፡ ክቡራት ኣእማን እውን ነበሮ፣ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ተገብረ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ወሰደ።+ 3 ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ኣውጺኡ፡ ኣእማን ብመጋዝ ከም ዚቘርጹ፡ ብበላሕቲ ናውቲ ሓጺንን ብፋሳትን እውን ከም ዚሰርሑ ገበሮም።+ ዳዊት ከኣ ንዅለን ከተማታት ዓሞናውያን ከምኡ ገበረን። ዳዊትን ኵሉ እቲ ሰራዊትን ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 4 ድሕርዚ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ኰነ። ሽዑ፡ ሲብካይ+ እቲ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ረፋይም+ እተወልደ ሲጳይ ቀተሎ፡ ንሳቶም እውን ተምበርከኹ። 5 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያኢር ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ+ ላሕሚ ሓው ጐልያድ+ እቲ ጊታዊ ቐተሎ። 6 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ኣብ ጋት+ ውግእ ኰነ። ኣብኡ ድማ ኣጻብዕ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸሽዱሽተ፡ ብድምር 24 ዘለዎ ገዚፍ ሰብኣይ ነበረ፣+ ንሱ እውን ካብ ረፋይም እተወልደ እዩ።+ 7 ንሱ ኸኣ ንእስራኤል ኣባጨወሉ።+ ዮናታን ወዲ ሺምዓ+ ሓው ዳዊት ድማ ቀተሎ። 8 እዚኣቶም ኣብ ጋት+ ካብ ረፋይም+ እተወልዱ እዮም፣ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ። 3 እቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን እተወልዱሉ ኣወዳት፡ እዚኣቶም እዮም፦+ በዅሪ፡ ካብ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን፣+ ካልኣይ፡ ካብ ኣቢጋይል+ እታ ቀርሜሎሳዊት እተወልደ ዳንኤል፣ 2 ሳልሳይ፡ ኣቤሴሎም+ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር፣ ራብዓይ፡ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት፣ 3 ሓምሻይ፡ ካብ ኣቢጣል እተወልደ ሸፋጥያ፣ ሻድሻይ፡ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም። 4 ሽዱሽቲኦም ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ፣ ኣብኣ ኸኣ 7 ዓመትን 6 ወርሕን ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 33 ዓመት ነገሰ።+ 5 እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ እዚኣቶም እዮም፦+ ሺምዓን ሾባብን ናታንን+ ሰሎሞንን+ እዮም፣ ኣደ ኣርባዕቲኦም ከኣ ባትሴባ+ ጓል ዓሚኤል እያ። 6 እቶም ትሽዓተ ኻልኦት ድማ፡ ይብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥን 7 ኖጋን ነፈግን ያፊዓን 8 ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን። 9 እዚኣቶም ኵላቶም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰን፡ ደቂ ዳዊት እዮም፣ ታማር+ ከኣ ሓብቶም እያ። 10 ወዲ ሰሎሞን፡ ሮብዓም+ እዩ፣ ኣብያ+ ወዱ፡ ኣሳ+ ወዱ፡ ዮሳፋጥ+ ወዱ፡ 11 ዮራም+ ወዱ፡ ኣሓዝያ+ ወዱ፡ ዮኣስ+ ወዱ፡ 12 ኣማስያ+ ወዱ፡ ዓዛርያ+ ወዱ፡ ዮታም+ ወዱ፡ 13 ኣሓዝ+ ወዱ፡ ህዝቅያስ+ ወዱ፡ ምናሴ+ ወዱ፡ 14 ኣሞን+ ወዱ፡ ዮስያስ+ ወዱ። 15 ደቂ ዮስያስ፡ በዅሪ ዮሓናን፡ ካልኣይ ዮያቂም፡+ ሳልሳይ ጼዴቅያስ፡+ ራብዓይ ሻሉም እዮም። 16 ደቂ ዮያቂም፡ የኮንያ+ ወዱን ጼዴቅያስ ወዱን እዮም። 17 ደቂ የኮንያ እቲ እሱር፡ ሸኣልቲኤልን 18 ማልኪራምን ጰዳያን ሸንኣጻርን የቃምያን ሆሻማዕን ነዳብያን እዮም። 19 ደቂ ጰዳያ፡ ዘሩባቤልን+ ሺምዒን እዮም፣ ደቂ ዘሩባቤል፡ መሹላምን ሓናንያን እዮም፡ (ሸሎሚት ከኣ ሓብቶም እያ)፣ 20 እቶም ሓሙሽተ ኻልኦት ድማ፡ ሓሹባን ኦሄልን በረክያን ሓሳድያን ዩሻብ-ሔሰድን እዮም። 21 ደቂ ሓናንያ ኸኣ፡ ጰላጥያን የሻዕያን እዮም፣ ወዲ* የሻዕያ፡ ረፋያ እዩ፣ ወዲ* ረፋያ፡ ኣርናን እዩ፣ ወዲ* ኣርናን፡ ኦብድያ እዩ፣ ወዲ* ኦብድያ፡ ሸካንያ እዩ፣ 22 ደቂ ሸካንያ ድማ፡ ሸማዕያ፡ ደቂ ሸማዕያ ኸኣ፡ ሓጡሽን ይግኣልን ባርያሕን ነዓርያን ሻፋጥን፡ ኵሉ ዅሎም ሽዱሽተ እዮም። 23 ደቂ ነዓርያ፡ ኤልዮዔናይን ሕዝቅያን ዓዝሪቃምን፡ ሰለስተ እዮም። 24 ደቂ ኤልዮዔናይ፡ ሆዳውያን ኤልያሺብን ጰላያን ዓቁብን ዮሓናንን ደላያን ዓናኒን፡ ሸውዓተ እዮም። 24 ክፍልታት ደቂ ኣሮን ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ ኣሮን፡ ናዳብን ኣቢሁን+ ኣልኣዛርን ኢታማርን+ እዮም። 2 ናዳብን ኣቢሁን ግና ቅድሚ ኣቦኦም ሞቱ፣+ ኣወዳት ከኣ ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን+ ኢታማርን ግና ካህናት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። 3 ዳዊት ድማ ምስ ጻዶቅ+ ካብ ደቂ ኣልኣዛርን ምስ ኣሒሜሌክ ካብ ደቂ ኢታማርን ኰይኑ፡ ንሓላፍነት ኣገልግሎቶም ኣብ ክፍልታት ከፋፈሎም። 4 ደቂ ኣልኣዛር ካብ ደቂ ኢታማር ዚበዝሑ ርእስታት ስለ ዝነበርዎም፡ ከምኡ ገይሮም ከፋፈልዎም፦ ደቂ ኣልኣዛር 16 ርእስታት ማይ ቤታት ነበርዎም፣ ደቂ ኢታማር ከኣ 8 ርእስታት ማይ ቤታት ነበርዎም። 5 ካብ ደቂ ኣልኣዛር ኰነ ኻብ ደቂ ኢታማር ኣሕሉቕ መቕደስን ኣሕሉቕ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ነበሩ እሞ፡ ነዚኣቶምን ነቲኣቶምን ብዕጫ ኸፋፈልዎም።+ 6 ሸማዕያ ወዲ ናትናኤል እቲ ጸሓፊ ሌዋውያን፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መሳፍንትን ካህን ጻዶቅን+ ኣሒሜሌክ+ ወዲ ኣብያታርን+ ርእስታት ማይ ቤታት ካህናትን ሌዋውያንን ስማቶም መዝገበ፣ ንኣልኣዛር ሓደ ማይ ቤት፡ ንኢታማር እውን ሓደ ተሓርየ። 7 እቲ ቐዳማይ ዕጫ ንየሆያሪብ ወጸሉ፣ እቲ ኻልኣይ ንየዳዕያ፡ 8 እቲ ሳልሳይ ንሓሪም፡ እቲ ራብዓይ ንሰዖሪም፡ 9 እቲ ሓምሻይ ንማልክያ፡ እቲ ሻድሻይ ንሚያሚን፡ 10 እቲ ሻውዓይ ንሃቆጽ፡ እቲ ሻምናይ ንኣብያ፡+ 11 እቲ ታሽዓይ ንእያሱ፡ እቲ ዓስራይ ንሸካንያ፡ 12 እቲ መበል 11 ንኤልያሺብ፡ እቲ መበል 12 ንያቂም፡ 13 እቲ መበል 13 ንሑጳ፡ እቲ መበል 14 ንየሸብኣብ፡ 14 እቲ መበል 15 ንቢልጋ፡ እቲ መበል 16 ንኢመር፡ 15 እቲ መበል 17 ንሔዚር፡ እቲ መበል 18 ንሃጲጸጽ፡ 16 እቲ መበል 19 ንጰታሕያ፡ እቲ መበል 20 ንየሕዝቅኤል፡ 17 እቲ መበል 21 ንያኪን፡ እቲ መበል 22 ንጋሙል፡ 18 እቲ መበል 23 ንደላያ፡ እቲ መበል 24 ንማዓዝያ። 19 ብመሰረት እቲ ኣቦኦም ኣሮን ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ ገይሩ ዝሰርዖ ስርዓት፡ ናብ ቤት የሆዋ ዚኣትዉሉ ሓላፍነት ኣገልግሎቶም እዚ እዩ።+ 20 እቶም ዝተረፉ ሌዋውያን ከኣ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ዓምራም፡+ ሹባኤል፣+ ካብ ደቂ ሹባኤል፡ የሕድያ፣ 21 ካብ ረሓብያ፦+ ካብ ደቂ ረሓብያ፡ ዪሺያ እቲ ርእሲ፣ 22 ካብ ይጽሃራውያን፡ ሸሎሞት፣+ ካብ ደቂ ሸሎሞት፡ ያሓት፣ 23 ካብ ደቂ ኬብሮን ድማ፡ የሪያ+ እቲ ርእሲ፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤል እቲ ሳልሳይ፡ የቃምዓም እቲ ራብዓይ፣ 24 ካብ ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ፣ ካብ ደቂ ሚካ፡ ሻሚር። 25 ሓው ሚካ፡ ዪሺያ እዩ፣ ካብ ደቂ ዪሺያ፡ ዘካርያስ። 26 ደቂ መራሪ፡+ ማሕሊን ሙሺን እዮም፣ ካብ ደቂ ያዓዝያ፡ ቤኖ። 27 ደቂ መራሪ፦ ካብ ያዓዝያ፡ ቤኖን ሾሃምን ዛኩርን ዒብሪን፣ 28 ካብ ማሕሊ፡ እቲ ኣወዳት ዘይነበርዎ ኣልኣዛር፣+ 29 ካብ ቂስ፦ ደቂ ቂስ፡ የራሕምኤል፣ 30 ደቂ ሙሺ ኸኣ፡ ማሕሊን ዔደርን የሪሞትን እዮም። እዚኣቶም በብማይ ቤታቶም ደቂ ሌዊ እዮም። 31 ንሳቶም ድማ ከምቲ እቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ጻዶቅን ኣሒሜሌክን ርእስታት ማይ ቤታት ካህናትን ሌዋውያንን ዝገበርዎ፡ ዕጫ ኣውደቑ።+ ብዛዕባ እቶም ማይ ቤታት ከኣ፡ እቲ ርእሲ ኸምቲ ንእሽቶ ሓዉ ነበረ። 7 ደቂ ይሳኮር፡ ቶላዕን ጱኣን ያሹብን ሺምሮንን፡+ ኣርባዕተ እዮም። "2 ደቂ ቶላዕ ከኣ፡ ዑዚን ረፋያን የሪኤልን ያሕማይን ይብሳምን ሸሙኤልን፡ ርእስታት ማይ ቤታት እዮም። ካብ ትውልዲ ቶላዕ፡ ብዘመን ዳዊት 22,600 ዝቝጽሮም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።" 3 ደቂ ዑዚ ድማ ይዝራሕያ፡ ደቂ ይዝራሕያ ኸኣ፡ ሚካኤልን ኦብድያን ዮኤልን ዪሺያን፡ ኵሉ ዅሎም ሓሙሽተ ኣሕሉቕ* እዮም። "4 ምስ እዚኣቶም ድማ በብትውልዶም፡ በብማይ ቤቶም፡ ኣብ ሰራዊቶም ንውግእ እተዳለዉ፡ 36,000 ተዋጋእቲ ነበሩ፣ ከመይሲ፡ ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ነበርዎም።" "5 ካብ ኵሎም ዓሌታት ይሳኮር ዝዀኑ ኣሕዋቶም፡ ኣብ ወለዶ እተመዝገቡ፡ 87,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።+ " 6 ደቂ ብንያም፡+ ቤላዕን+ ቤከርን+ የዲዓኤልን፡+ ሰለስተ እዮም። "7 ደቂ ቤላዕ ከኣ፡ ኤጽቦንን ዑዚን ዑዚኤልን የሪሞትን ዒሪን፡ ሓሙሽተ፡ ርእስታት ማይ ቤታቶም፡ ሓያላት ጀጋኑ እዮም፣ ኣብ ወለዶኦም እተመዝገቡ ድማ፡ 22,034 ነበሩ።+" 8 ደቂ ቤከር ከኣ፡ ዘሚራን ዮኣስን ኤልዔዘርን ኤልዮዔናይን ዖምሪን የሬሞትን ኣብያን ዓናቶትን ዓለመትን እዮም፣ ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ቤከር እዮም። "9 ርእስታት ማይ ቤታት ኰይኖም በብትውልዶም ኣብ ወለዶኦም እተመዝገቡ፡ 20,200 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።" 10 ደቂ የዲዓኤል+ ድማ፡ ቢልሃን፡ ደቂ ቢልሃን ከኣ፡ የዑሽን ብንያምን ኤሁድን ከናዓናን ዜታንን ተርሲስን ኣሒሻሓርን እዮም። "11 ኵሎም እዚኣቶም ደቂ የዲዓኤል፡ በብርእስታት ኣቦታቶም፡ ምስቲ ሰራዊት ንውግእ ኪወጹ እተዳለዉ 17,200 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ። " 12 ሹጲምን ሑጲምን ደቂ ዒር+ እዮም፣ ሑሺም ከኣ ደቂ ኣሔር እዮም። 13 ደቂ ንፍታሌም፡+ ያሕጺኤልን ጉኒን የጸርን ሻሉምን፡—ደቂ ቢልሃ፡+—እዮም። 14 ደቂ ምናሴ+ እዚኣቶም እዮም፦ እታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ዝወለደትሉ ኣስሪኤል። (ንሳ ንማኪር+ ኣቦ ጊልዓድ ወለደት። 15 ማኪር ንሑጲምን ንሹጲምን ሰበይቲ ወሰደሎም፡ ስም ሓብቱ ድማ ማዓካ እዩ።) ስም እቲ ኻልኣይ፡ ጸሎፍሓድ+ እዩ፣ ጸሎፍሓድ ግና ኣዋልድ ነበራኦ።+ 16 ማዓካ ሰበይቲ ማኪር፡ ወዲ ወለደት እሞ ጰረሽ ኢላ ሰመየቶ፣ ስም ሓዉ ኸኣ ሸረሽ እዩ፣ ደቁ ድማ ኡላምን ሬቀምን እዮም። 17 ወዲ* ኡላም ከኣ፡ በዳን እዩ። እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ እዮም። 18 ሓብቱ ድማ ሓሞለኸት እያ። ንሳ ንኢሽሆድን ንኣቢ-ዔዘርን ንማሕላን ወለደት። 19 ደቂ ሸሚዳ ኸኣ፡ ኣሕያንን ሴኬምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም። 20 ደቂ ኤፍሬም፡+ ሹተላሕን+ ቤሬድ ወዱን ታሓት ወዱን ኤልዓዳ ወዱን ታሓት ወዱን 21 ዛባድ ወዱን ሹተላሕ ወዱን ኤጸርን ኤልዓድን እዮም። እቶም ኣብታ ምድሪ እተወልዱ ሰብ ጋት፡+ ንሳቶም ማሎም ኪወስዱ ስለ ዝወረዱ፡ ቀተልዎም። 22 ኣቦኦም ኤፍሬም ድማ ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነ፣ ኣሕዋቱ ኸኣ ኬጸናንዕዎ ይመጹ ነበሩ። 23 ድሕርዚ፡ ናብ ሰበይቱ ኣተወ፣ ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። ንሱ ግና፡ ንሳ ኣብ ቤቱ ምስ መዓት ስለ ዝነበረት፡ በሪዓ* ኢሉ ሰመዮ። 24 ጓሉ ኸኣ ሸኤራ እያ፣ ንሳ ታሕተዋይን+ ላዕለዋይን ቤት-ሖሮንን+ ኡዜን-ሸኤራን ሰርሐት። 25 ረፋሕ ድማ ወዱ ነበረ፡ ሬሸፍ ከኣ፡ ቴላሕ ወዱ፡ ታሓን ወዱ፡ 26 ላዕዳን ወዱ፡ ዓሚሁድ ወዱ፡ ኤሊሻማዕ ወዱ፡ 27 ነዌ ወዱ፡ እያሱ*+ ወዱ። 28 ርስቶምን መንበሪኦምን ድማ ቤት-ኤልን+ ዓድታታን፡ ብምብራቕ ከኣ ናዓራን፡ ብምዕራብ ድማ ጌዘርን ዓድታታን ሴኬምን ዓድታታን ክሳብ ዓያን* ዓድታታን እየን፣ 29 ኣብ ጥቓ ደቂ ምናሴ ኸኣ፡ ቤት-ሸኣንን+ ዓድታታን ታዓናክን+ ዓድታታን መጊዶን+ ዓድታታን ዶርን+ ዓድታታን እየን። ደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ድማ፡ ኣብዚኣተን ተቐመጡ። 30 ደቂ ኣሴር፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን በሪዓን+ ሓብቶም ሴራሕን እዮም።+ 31 ደቂ በሪዓ፡ ሔበርን እቲ ኣቦ ቢርዛዪት ዝዀነ ማልኪኤልን እዮም። 32 ሔበር ንያፍሌጥን ንሾሜርን ንሖታምን ንሓብቶም ሹዓን ወለደ። 33 ደቂ ያፍሌጥ፡ ጳሳክን ቢምሃልን ዓሽዋትን እዮም። እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ እዮም። 34 ደቂ ሸመር፡* ኣሒን ሮህጋን ሑባን ኣራምን እዮም። 35 ደቂ ሄላም* ሓዉ፡ ጾፋሕን ይምናዕን ሼለሽን ዓማልን እዮም። 36 ደቂ ጾፋሕ፡ ሱሓን ሓርነፈርን ሹዓልን ቤሪን ዪምራን 37 ቤጸርን ሆድን ሻማን ሺልሻን ዪትራንን ብኤራን እዮም። 38 ደቂ የተር፡ የፉነን ፊስጳን ኣራን እዮም። 39 ደቂ ዑላ፡ ኣራሕን ሓኒኤልን ሪጽያን እዮም። "40 ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ኣሴር፡ ርእስታት ማይ ቤታት፡ ሕሩያት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ርእስታት ኣሕሉቕ እዮም፣ እቶም ተቘጺሮም ኣብ ወለዶ እተመዝገቡ ኸኣ፡+ ኣብ ሰራዊት ንውግእ እተዳለዉ 26,000 ሰባት እዮም።+" 12 ዳዊት ብሰንኪ ሳኦል ወዲ ቂስ ብናጽነት ኪንቀሳቐስ ኣብ ዘይክእለሉ ዝነበረ እዋን፡+ ናብኡ ናብ ጺቅላግ+ ዝመጹ እዚኣቶም እዮም፣ ንሳቶም ከኣ ካብቶም ኣብ ውግእ ዝደገፍዎ ጀጋኑ እዮም።+ 2 ቀስቲ ድማ እተዓጥቁ ነበሩ፣ ብየማኖምን ብጸጋሞምን+ ከኣ ኣእማን ኪውንጭፉ+ ወይ ፍላጻታት ብቐስቲ ኺውርውሩ ዚኽእሉ ነበሩ። ካብ ኣሕዋት ሳኦል፡ ካብ ብንያም ድማ ነበሩ።+ 3 እቲ ርእሲ ኣሒዔዘር ነበረ፣ ምስኡ ኸኣ ዮኣስ፡ ክልቲኦም ደቂ ሸማዓ እቲ ጊብዓታዊ፡+ የዚኤልን ጰለጥን ደቂ ዓዝማዌት፡+ በራካ፡ የሁ እቲ ዓናቶታዊ፡ 4 ዪሽማዕያ እቲ ጊብዖናዊ፡+ ካብቶም ሰላሳን ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላሳን+ ዝነበረ ጅግና፡ ኤርምያስ፡ ያሓዚኤል፡ ዮሓናን፡ ዮዛባድ እቲ ገደራታዊ፡ 5 ኤልዑዛይ፡ የሪሞት፡ በዓልያ፡ ሸማርያ፡ ሸፋጥያ እቲ ሓሪፋዊ፡ 6 ኤልቃናን ዪሺያን ዓዛርኤልን ዮዔዘርን ያሾበዓምን እቶም ቆራሓውያን፡+ 7 ዮዔላን ዘባድያን ደቂ የሮሓም ካብ ገዶር ነበሩ። 8 ገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ኣብ ጐድኒ ዳዊት ኪዀኑ፡ ናብቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ዕርዲ ኸዱ፣+ ንሳቶም ንውግእ ዝሰልጠኑ፡ ዓብዪ ዋልታን ሕላስን ሒዞም እተዳለዉ ጀጋኑ ነበሩ፣ ገጾም ድማ ከም ገጽ ኣናብስ ነበረ፣ ከም ሰስሓታት ኣብ ኣኽራን እውን ፈጣናት ነበሩ። 9 እቲ ርእሲ ኤጸር፡ ካልኣይ ኦብድያ፡ ሳልሳይ ኤልያብ፡ 10 ራብዓይ ሚሽማና፡ ሓምሻይ ኤርምያስ፡ 11 ሻድሻይ ዓታይ፡ ሻውዓይ ኤሊኤል፡ 12 ሻምናይ ዮሓናን፡ ታሽዓይ ኤልዛባድ፡ 13 ዓስራይ ኤርምያስ፡ መበል ዓሰርተው ሓደ ማክባናይ እዮም። "14 እዚኣቶም ካብ ጋዳውያን፡+ ርእስታት ሰራዊት ነበሩ። ንእሽቶኦም ክንዲ 100፡ ዓብዪኦም ድማ ክንዲ 1,000 ነበረ።+" 15 እቶም ኣብ መጀመርታ ወርሒ ገማግም ዮርዳኖስ መሊኡ እናወሓዘ ኸሎ እተሳገሩ እዚኣቶም እዮም፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ቈላታት ዝነበሩ ኸኣ ንምብራቕን ንምዕራብን ሰጐጕዎም። 16 ገለ ኻብ ሰብ ብንያምን ይሁዳን እውን ናብ ዳዊት ናብ ዕርዱ መጹ።+ 17 ዳዊት ድማ ናብ ቅድሚኦም ወጺኡ፡ “ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም እንተ መጺእኩም፡ ልበይ ምሳኻትኩም ሓደ ኪኸውን እዩ። ኣእዳወይ ገለ ዓመጻ ዘይገበራ ኽነሰን፡ ንተጻረርተይ ኣሕሊፍኩም ክትህቡኒ እንተ ዄንኩም ግና፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይፍረድ” በሎም።+ 18 መንፈስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዓማሳይ+ ርእሲ እቶም ሰላሳ መጸ፦* “ኦ ዳዊት፡ ንሕናስ ናትካ ኢና፣ ኦ ወዲ እሴይ፡ ንሕናስ ምሳኻ ኢና።+ ኣምላኽ ይሕግዘካ ኣሎ እሞ፡+ሰላም፡ ሰላም ንዓኻ ይኹን፡ ነቶም ዚሕግዙኻ እውን ሰላም ይኹን።” ዳዊት ከኣ ተቐበሎም፣ ርእስታት ሰራዊት ገይሩ ድማ ሸሞም። 19 ገለ ኻብ ምናሴ እውን ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ኰይኑ ንሳኦል ኪዋግኦ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ናብኡ ኸድዑ፣ ግናኸ፡ እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን+ ምስ ተማኸሩ፡ “ብዋጋ ኣራእስና ናብ ጐይታኡ ሳኦል ኪኸድዓና እዩ” ኢሎም ሰዲዶምዎ ነበሩ እሞ፡ ንሱስ ንፍልስጥኤማውያን ኣይሓገዞምን።+ 20 ናብ ጺቅላግ+ ምስ ከደ፡ ካብ ምናሴ ናብኡ ዝኸድዑ እዚኣቶም እዮም፦ ዓድናሕን ዮዛባድን የዲዓኤልን ሚካኤልን ዮዛባድን ኤሊሁን ጺልታይን፡ ርእስታት ኣሽሓት ምናሴ።+ 21 ኵላቶም ጀጋኑን ተባዓትን+ ስለ ዝነበሩ፡ ኣንጻር እቲ ዘማቲ ጭፍራ ንዳዊት ሓገዝዎ፣ ኣብቲ ሰራዊት ከኣ ኣሕሉቕ ኰኑ። 22 እቲ ሰፈር ከም ሰፈር ኣምላኽ ዓብዪ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ናብ ዳዊት ይመጹ ነበሩ።+ 23 እቶም ከም ትእዛዝ የሆዋ፡ ንግስና ሳኦል ናብ ዳዊት ኬመሓላልፉ ኢሎም ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመጹ+ ርእስታት እቶም ንውግእ እተዓጥቁ፡ ቍጽሮም እዚ እዩ፦+ "24 ዓብዪ ዋልታን ሕላስን ዝጾሩ ሰብ ይሁዳ፡ 6,800 ንውግእ እተዓጥቁ።" "25 ካብ ስምኦናውያን፡ 7,100 ተባዓት ጀጋኑ እቲ ሰራዊት። " "26 ካብ ሌዋውያን፡ 4,600።" "27 የሆያዳ+ እቲ መራሒ ደቂ ኣሮን፡+ ምስኡ ኸኣ 3,700፣" 28 ድማ እቲ ጅግናን ተባዕን ጐበዝ ዝነበረ ጻዶቅ፡+ ምስኡ እውን 22 ኣሕሉቕ ካብ ማይ ቤቱ። "29 ካብ ብንያማውያን ኣሕዋት ሳኦል፡+ መብዛሕትኦም ኣቐዲሞም ረብሓታት ቤት ሳኦል ዚሕልዉ ዝነበሩ 3,000።" "30 ካብ ኤፍሬማውያን፡ ኣብ ማይ ቤታቶም ስሙያት ዝዀኑ 20,800 ተባዓት ጀጋኑ። " "31 ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ ንዳዊት ኬንግስዎ ኺመጹ ብስሞም እተሰምዩ 18,000።" 32 ካብ ነገድ ይሳኮር፡ ግዜያት ዜስተውዕሉን እስራኤል እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ዚፈልጡን 200 ርእስታት፣ ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም እውን ኵሎም ኣሕዋቶም። "33 ካብ ዛብሎን፡ ምስ ኵሉ ኣጽዋር ውግእ ዚስለፉ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ፡ ኵሎም ብዘይተመቕለ ተኣማንነት* ምስ ዳዊት ዝሓበሩ 50,000።" "34 ካብ ንፍታሌም፡ 1,000 ኣሕሉቕ፡ ምሳታቶም ከኣ ዓብዪ ዋልታን ኲናትን ዝሓዙ 37,000።" "35 ካብ ዳናውያን፡ ንውግእ እተሰለፉ 28,600።" "36 ካብ ኣሴር፡ ንውግእ ተሰሊፎም ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ 40,000። " "37 ካብ ስግር ዮርዳኖስ፡+ ካብ ሮቤላውያንን ካብ ጋዳውያንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን፡ ኵሉ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ ዝሓዙ 120,000 ተዋጋእቲ።" 38 ኵሎም እዚኣቶም ሰልፈኛታት ተዋጋእቲ ነበሩ፣ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኬንግስዎ፡ ብምሉእ ልቦም ናብ ኬብሮን መጹ፣ ኵሉ ዝተረፈ እስራኤል እውን ንዳዊት ንምንጋስ፡ ሓደ ድሌት* ነበረ።+ 39 ኣሕዋቶም ኣዳልዮምሎም ነበሩ እሞ፡ ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ጸንሑ። 40 ኣብ እስራኤል ሓጐስ ነበረ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ዀኑ፡ እቶም ክሳብ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ኣብ ርሑቕ ዝነበሩ እውን፡ ብኣእዱግን ብኣግማልን ብኣባቕልን ብኸብትን ብዙሕ ምግቢ፡ ማለት ካብ ሓርጭ እተዳለወ ብልዕን ጎጎ በለስን ጎጎ ዘቢብን ወይንን ዘይትን ከብትን ኣባጊዕን የምጽኡሎም ነበሩ። 1 ኣዳም፡ሴት፡+ሄኖስ፡ 2 ቃይናን፡መሃላልኤል፡+ያሬድ፡+ 3 ሄኖክ፡+ማቱሳላ፡ላሜክ፡+ 4 ኖህ፡+ሴምን+ ካምን ያፌትን።+ 5 ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ቲራስን+ እዮም። 6 ደቂ ጎሜር፡ ኣሽከናዝን ሪፋትን ቶጋርማን+ እዮም። 7 ደቂ ያዋን፡ ኤሊሻን ተርሲስን ኪቲምን ሮዳኒምን እዮም። 8 ደቂ ካም፡ ኩሽን+ ሚስራይምን ጱጥን ከነኣንን+ እዮም። 9 ደቂ ኩሽ፡ ሴባን+ ሓዊላን ሳብታን ራዕማን+ ሳብተካን እዮም። ደቂ ራዕማ፡ ሳባን ዴዳንን+ እዮም። 10 ኩሽ ንኒምሮድ ወለደ።+ ንሱ ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና ነበረ። 11 ሚስራይም ንሉዲምን+ ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን+ 12 ንጳጥሩሲምን+ ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን+ ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን+ ወለደ። 13 ከነኣን ንሲዶን+ በዅሩን ንሔትን+ 14 ንይቡሳውያንን+ ንኣሞራውያንን+ ንጊርጋሳውያንን+ 15 ንሒዋውያንን+ ንዓርቃውያንን ንሲኒውያንን 16 ንኣርዋዳውያንን+ ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። 17 ደቂ ሴም፡ ዔላምን+ ኣሹርን+ ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን እዮም፣ድማ* ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን።+ 18 ኣርፋክሳድ ንሸላሕ+ ወለደ፡ ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ። 19 ንዔበር ድማ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡* ስሙ ፌሌግ*+ ተባህለ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮቅጣን እዩ። 20 ዮቅጣን ንኣልሞዳድን ንሼሌፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን+ 21 ንሃዶራምን ንኡዛልን ንዲቅላን 22 ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሳባን 23 ንኦፊርን+ ንሓዊላን+ ንዮባብን ወለደ፣ ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 24 ሴም፡ኣርፋክሳድ፡ሸላሕ፡ 25 ዔበር፡ፌሌግ፡+ረጉ፡+ 26 ሴሩግ፡+ናሆር፡+ታራ፡+ 27 ኣብራም፡ ንሱ ኣብርሃም እዩ።+ 28 ደቂ ኣብርሃም፡ ይስሃቅን+ እስማኤልን+ እዮም። 29 ትውልዶም እዚ እዩ፦ በዅሪ እስማኤል ነባዮት፡+ ደሓር ቄዳርን+ ኣድብኤልን ሚብሳምን+ 30 ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሃዳድን ቴማን 31 የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም። 32 እቶም ቄጡራ፡+ ሰበይቲ ወሰን ኣብርሃም፡ ዝወለደቶም ደቂ፡ ዚምራንን ዮቅሻንን ሜዳንን ሚድያንን+ ይሽባቅን ሹኣሕን+ እዮም። ደቂ ዮቅሻን፡ ሳባን ዴዳንን+ እዮም። 33 ደቂ ሚድያን፡ ዔፋን+ ዔፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ቄጡራ እዮም። 34 ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ።+ ደቂ ይስሃቅ፡ ኤሳውን+ እስራኤልን+ እዮም። 35 ደቂ ኤሳው፡ ኤሊፋዝን ረዑኤልን የዑሽን ያዕላምን ቆራሕን+ እዮም። 36 ደቂ ኤሊፋዝ፡ ቴማንን+ ኦማርን ጼፎን ጋዕታምን ቄናዝን ቲምናዕን ኣማሌቅን+ እዮም። 37 ደቂ ረዑኤል፡ ናሓትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን+ እዮም። 38 ደቂ ሰዒር፡+ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን+ እዮም። 39 ደቂ ሎጣን፡ ሖሪን ሆማምን እዮም። ሓብቲ ሎጣን፡ ቲምናዕ እያ።+ 40 ደቂ ሾባል፡ ዓልዋንን ማናሓትን ዔባልን ሸፎን ኦናምን እዮም። ደቂ ጺብዖን፡ ኣያን ዓናን+ እዮም። 41 ወዲ* ዓና፡ ዲሾን እዩ። ደቂ ዲሾን፡ ሔምዳንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን+ እዮም። 42 ደቂ ኤጸር፡+ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን እዮም። ደቂ ዲሻን፡ ዑጽን ኣራንን+ እዮም። 43 ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን* ንጉስ ከይነገሰ ኸሎ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም+ ዝነገሱ ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦+ ቤላዕ ወዲ ቤዖር፣ ስም ከተማኡ ዲንሃባ ነበረ። 44 ቤላዕ ምስ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ+ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 45 ዮባብ ምስ ሞተ፡ ሑሻም ካብ ምድሪ ቴማናውያን ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 46 ሑሻም ምስ ሞተ፡ እቲ ንሚድያን ኣብ ምድሪ* ሞኣብ ዝሰዓረ ሃዳድ ወዲ በዳድ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ዓዊት ነበረ። 47 ሃዳድ ምስ ሞተ፡ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 48 ሳምላ ምስ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዘላ ረሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 49 ሻኡል ምስ ሞተ፡ በዓል-ሓናን ወዲ ዓኽቦር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 50 በዓል-ሓናን ምስ ሞተ፡ ሃዳድ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ኸኣ ጳዑ ነበረ፣ ስም ሰበይቱ ድማ ሜሄጣብኤል እዩ፣ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜዛሃብ እያ። 51 ሃዳድ ከኣ ሞተ። ሹማምንቲ* ኤዶም፡ ሹም ቲምናዕ፡ ሹም ዓልዋ፡ ሹም የቴት፡+ 52 ሹም ኦሆሊባማ፡ ሹም ኤላህ፡ ሹም ጲኖን፡ 53 ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡ 54 ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም እዮም። እዚኣቶም ሹማምንቲ ኤዶም እዮም። 29 ንጉስ ዳዊት ድማ ንዅሉ እቲ ጉባኤ ኸምዚ በሎ፦ “እቲ ኣምላኽ ዝሓረዮ ወደይ ሰሎሞን፡+ ንእሽቶን ዘይምኩርን* እዩ፣+ እቲ ዕዮ ኸኣ ዓብዪ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንሳ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እትኸውን ቤተ መቕደስ* እያ።+ 2 ኣነ ኸኣ ንቤት ኣምላኸይ ዚኸውን፡ ወርቂ ንስርሓት ወርቅን ብሩር ንስርሓት ብሩርን ነሓሲ ንስርሓት ነሓስን ሓጺን ንስርሓት ሓጺንን+ ዕንጨይቲ+ ንስርሓት ዕንጨይትን ኣእማን ኦኒክስን ብጭቃ መንደቕ ዚላገብ ኣእማንን ዚዛነቕ ኣእማን ስልማትን ኵሉ ዓይነት ክቡር እምንን ብዙሕ ኣእማን ኣልባስጥሮስን ብዅሉ ሓይለይ ኣዳልየ ኣለኹ። 3 በታ ቤት ኣምላኸይ ደስ ስለ ዝበለኒ ድማ፡+ ኣብ ርእሲ ዅሉ እቲ ነታ ቕድስቲ ቤት ዘዳለኽዎ፡ ናይ ውልቀይ መዝገብ+ ወርቅን ብሩርን እውን ንቤት ኣምላኸይ እህብ ኣለኹ፣ "4 እወ፡ 3,000 ታለንት* ወርቂ ኻብ ኦፊር፡+ 7,000 ታለንት እተጻረየ ብሩር ንምልባጥ መናድቕ እተን ኣባይቲ፡" 5 እቲ ወርቂ ንስርሓት ወርቂ፡ እቲ ብሩር ድማ ንስርሓት ብሩር፡ ከምኡ እውን ንዅሉ እቲ በቶም ኢደ ጥበበኛታት ዚግበር ዕዮ እህብ ኣለኹ። ሎሚኸ መን ንየሆዋ ኣብ ኢዱ ህያብ ሒዙ ብፍታው ይመጽእ፧”+ 6 ሽዑ፡ እቶም መሳፍንቲ ማይ ቤታትን መሳፍንቲ ነገዳት እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን+ ኣሕሉቕ ዕዮ ንጉስን+ ብፍታዎም መጹ። "7 ንኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ 5,000 ታለንት ወርቅን 10,000 ዳሪክን* 10,000 ታለንት ብሩርን 18,000 ታለንት ነሓስን 100,000 ታለንት ሓጺንን ሃቡ።" 8 ክቡራት ኣእማን ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት የሒኤል+ እቲ ጌርሾናዊ+ ንመዝገብ ቤት የሆዋ ሃበ። 9 ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ መስዋእቲ ፍታው ስለ ዝሃብዎ፡+ እቲ ህዝቢ በቲ ዝሃብዎ መስዋእቲ ፍታው ተሓጐሰ፣ ንጉስ ዳዊት እውን ዓብዪ ሓጐስ ተሓጐሰ። 10 ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እቲ ጉባኤ ንየሆዋ ወደሶ። ዳዊት ድማ ከምዚ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ተወደስ። 11 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ፡+ ዕቤትን+ ሓይልን+ ጽባቐን ግርማን ክብርን ናትካ እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ እታ መንግስቲ ናትካ እያ።+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸም ርእሲ ልዕል ዝበልካ ንስኻ ኢኻ። 12 ሃብትን ክብርን ካባኻ እዩ፣+ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ ኢኻ፣+ ኣብ ኢድካ ሓይልን+ ብርታዐን+ ኣሎ፣ ኢድካ ኸኣ ንዅሉ ኸተዕብን+ ከተበርትዕን+ ትኽእል እያ። 13 ሕጂ ድማ ኦ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካን ነቲ ጽቡቕ ስምካ ንውድሶን ኣለና። 14 “ግናኸ፡ ከምዚ መስዋእቲ ፍታው ክንህብ ዝኸኣልናስ፡ ኣነ መን እየ፡ ህዝበይከ መን እዮም፧ ኵሉስ ካባኻ እዩ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ ኢና ሂብናካ ዘለና። 15 ንሕናስ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና ጓኖትን ሰፋሮን ኢና።+ መዓልትታትና ኣብ ምድሪ እውን ከም ጽላሎት፡+ ብዘይ ተስፋ እየን። 16 ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኵሉ እዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሃንጸልካ ዘዳሎናዮ ሃብቲ፡ ካብ ኢድካ እዩ፡ ኵሉ እውን ናትካ እዩ። 17 ኦ ኣምላኸይ፡ ንስኻ ልቢ ኸም እትምርምርን+ ብንጽህና* ባህ ከም ዚብለካን ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።+ ብቕንዕና ልበይ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ብፍታው ሂበ ኣለኹ፣ እዞም ኣብዚ ዘለዉ ህዝብኻ መስዋእቲ ፍታው ኪህቡኻ ምርኣየይ ኣሐጒሱኒ እዩ። 18 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ነዚ ኣብ ልቢ ህዝብኻ ዘሎ ዝንባለታትን ሓሳባትን ንዘለኣለም ሓልዎ፣ ልቦም እውን ናባኻ ኣቕንዕ።+ 19 ንወደይ ሰሎሞን ከኣ፡ ትእዛዛትካን መዘኻኸሪታትካን ስርዓታትካን ኪሕሉ፡+ ነዚ ዅሉ ድማ ኪገብሮ፡ ነታ መህነጺኣ ዘዳለኹላ+ ቤተ መቕደስ* እውን ኪሃንጽሲ፡ ምሉእ* ልቢ ሃቦ።”+ 20 ዳዊት ከኣ ንዅሎም ጉባኤ፡ “ሕጂ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ወድስዎ” በሎም። ኵሎም እቶም ጉባኤ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ወደስዎ፣ ንየሆዋን ንንጉስን ከኣ ፍግም ኢሎም ሰገዱሎም። "21 ንጽብሒቱ ድማ ንየሆዋ መስዋእቲ ሕሩድን ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእትን፡+ 1,000 ዝራብዕን 1,000 ድዑልን 1,000 ገንሸልን* መስዋእቲ መስተን ሰውኡሉ፣+ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል ከኣ ብዙሕ መስዋእቲ ሰውኡ።+" 22 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዓብዪ ሓጐስ በልዑን ሰተዩን፣+ ንሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከኣ ካልኣይ ሳዕ ኣንገስዎ፡ መራሒ ኪኸውን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቐብእዎ፣+ ንጻዶቅ እውን ካህን ኪኸውን ቀብእዎ።+ 23 ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን የሆዋ ተቐመጠ፡+ ቀንዖ እውን፣ ኵሎም እስራኤላውያን ከኣ ይእዘዝዎ ነበሩ። 24 ኵሎም መሳፍንትን+ ጀጋኑን+ ደቂ ንጉስ ዳዊትን+ ድማ፡ ንንጉስ ሰሎሞን ተገዝእዎ። 25 የሆዋ ኸኣ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እስራኤል ኣዝዩ ኣዕበዮ፡ ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበረ ንጉስ ዘይነበሮ ኽብሪ መንግስቲ እውን ሃቦ።+ 26 በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ፣ 27 እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን* ድማ 40 ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን 7 ዓመት ነገሰ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 33 ዓመት ነገሰ።+ 28 ዕድመን* ሃብትን ክብርን ጸጊቡ ድማ፡+ ብጽቡቕ እርጋን ሞተ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።+ 29 ታሪኽ ንጉስ ዳዊት ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ ቃላት ሳሙኤል እቲ ረኣይን ናታን+ እቲ ነብይን ጋድ+ እቲ ብዓል ራእይን ተጻሒፉ ኣሎ፣ 30 ኣብኡ እውን ኵሉ ንግስናኡን ሓይሉን ንዕኡን ንእስራኤልን ንዅለን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ መንግስትታትን ዚምልከት ፍጻመታት ዘመንን ተጻሒፉ ኣሎ። 28 ዳዊት ድማ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ንመሳፍንቲ ነገዳትን ንኣሕሉቕ እቶም ንንጉስ ዜገልግሉ ኽፍልታትን+ ንኣሕሉቕ ሽሕን ንኣሕሉቕ ሚእትን+ ንኣሕሉቕ እቲ ናይ ንጉስን ናይ ደቁን+ ኵሉ ጥሪትን ማልን፡+ ምስ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን ኵሎም ክኢላታትን ጀጋኑን ኣብ የሩሳሌም ኣከቦም።+ 2 ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት ብኣእጋሩ ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፡ ስምዑኒ። ኣነ ድኳ እግሪ ኣምላኽና ኽትከውን፡ ንታቦት ኪዳን የሆዋ መዕረፊት ቤት ክሃንጽ ትምኒት ልበይ እዩ ነይሩ፣+ ክሃንጽ እውን ተዳልየ ነይረ።+ 3 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና፡ ‘ንስኻ ናይ ውግእ ሰብ ኢኻ፡ ብዙሕ ደም እውን ኣፍሲስካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሃንጽን ኢኻ’ ኢሉኒ።+ 4 ግናኸ፡ ይሁዳ መራሒ ኪኸውን፡+ ካብ ቤት ይሁዳ ኸኣ ቤት ኣቦይ ሓርዩ እዩ፣+ ካብ ደቂ ኣቦይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኬንግሰኒ፡ ንዓይ እዩ ሰሚሩኒ እሞ፡+ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንዓይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ክነግስ ካብ ኵሎም ቤት ኣቦይ ሓርዩኒ እዩ።+ 5 ካብ ኵሎም ደቀይ ከኣ፡—የሆዋስ ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ እሞ፡+—ንወደይ ሰሎሞን+ ኣብ ዝፋን ንግስና የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪቕመጥ ሓርይዎ እዩ።+ 6 “ከምዚ ድማ በለኒ፦ ‘ወድኻ ሰሎሞን ወደይ ኪኸውን ሓርየዮ እየ፡ ኣነ እውን ኣቦኡ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሱ እዩ ቤተይን ኣጸዳተይን ዚሃንጸለይ።+ 7 ንሱ ኸምቲ ሕጂ ዚገብሮ ዘሎ ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ብጽኑዕ እንተ ሓልዩ፡+ ንግስናኡ ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ።’+ 8 እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤልን ጉባኤ የሆዋን ኣብ ኣእዛን ኣምላኽናን እብል ኣለኹ፦ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ+ ምእንቲ ኽትርስተይዋን ብድሕሬኹም ንደቅኹም ንሓዋሩ ምእንቲ ኸተረስትይዋን፡ ንዅሉ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም ሓልውዎን ድለይዎን። 9 “ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብምሉእ* ልብን+ ብሕጉስ* ነፍስን* ኣገልግሎ፣ የሆዋስ ንዅሉ ልቢ ይምርምሮ፡+ ንዅሉ ዝንባለ ሓሳባት እውን የስተውዕሎ እዩ።+ እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ እዩ፣+ እንተ ሓዲግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ።+ 10 ሕጂ ኸኣ ርአ፡ የሆዋስ መቕደሱ እትኸውን ቤት ክትሃንጽ ሓርዩካ ኣሎ። ትባዕን ስራሕን።” 11 ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን፡ ንድፊ+ እቲ ገበላን+ ኣባይቱን መኽዘናቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን ቤት መኽደን መተዓረቕን* ሃቦ።+ 12 ንኣጸዳት+ ቤት የሆዋን ንዅለን እተን ኣብ ዙርያ ዚዀና መመገቢ ኽፍልታትን ንዅሉ መዛግብቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ንመዛግብቲ እቲ እተቐደሰ* ነገራትን+ ኪኸውን ብመሪሕነት መንፈስ እተመሓላለፈሉ ዅሉ ንድፊ ሃቦ፣ 13 ንኽፍልታት ካህናትን+ ሌዋውያንን ንዕዮ ኣገልግሎት ቤት የሆዋን ንዅሉ ኣቕሑ ኣገልግሎት ቤት የሆዋን ዚምልከት እውን ሃቦ፣ 14 ሚዛን ወርቂ፡ ማለት ወርቂ እቲ ዅሉ ኣቕሑ እተፈላለየ ኣገልግሎትን ሚዛን እቲ ዅሉ ኣቕሑ ብሩርን ንእተፈላለየ ኣገልግሎት ዚኸውን ኵሉ ኣቕሑን እውን መደበሉ፣ 15 ሚዛን እቲ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን+ ናቱ ቐነዲል ወርቅን ሚዛን እተፈላለየ ቐወምቲ ቐነዲልን ቀነዲሉን ሚዛን ቀወምቲ ቐነዲል ብሩርን፡ ናይቲ ቐወምቲ ቐነዲልን ቀነዲሉን ከከም ኣገልግሎቱ እውን መደበሉ፣ 16 ሚዛን እቲ ንሰደቓታት እተደራረበ እንጌራ* ዚኸውን ወርቂ፡+ ነንሰደቓ፡ ከምኡ ድማ ብሩር እቲ ሰደቓታት ብሩር እውን መደበሉ፣ 17 ነቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ዚግበር ሻኳታትን ጭሔሎታትን ዓታሩን፡ ከምኡ ኸኣ ሚዛን እቲ ንኣሽቱ ጭሔሎታት ወርቂ፡+ ነንንእሽቶ ጭሔሎ፡ ሚዛን እቲ ንኣሽቱ ጭሔሎታት ብሩር፡ ነንንእሽቶ ጭሔሎ እውን መደበሉ። 18 ሚዛን እቲ ንመሰውኢ ዕጣን+ ዚኸውን ኰነ ንምስሊ እቲ ሰረገላ፡+ ማለት ነቶም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ንታቦት ኪዳን የሆዋ ዜጽልሉ ኪሩቤል+ ዚኸውን እተጻረየ ወርቂ እውን መደበሉ። 19 ዳዊት ከኣ፡ “ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እያ ነይራ፣ ኵሉ ዝርዝር ንድፊ+ ብጽሑፍ ከስፍሮ ድማ ልቦና ሂቡኒ” በለ።+ 20 ዳዊት ከኣ ንወዱ ሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “ትባዕን በርትዕን ስራሕን። የሆዋ ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኸይ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር እውን።+ ኵሉ እቲ ንኣገልግሎት ቤት የሆዋ ዚኸውን ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእ ምሳኻ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኪሓድገካን እውን እዩ።+ 21 እቶም ንዅሉ ኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚዀኑ ኽፍልታት ካህናትን+ ሌዋውያንን+ ድማ እነዉ። ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎት ኪፍጽሙ ዚኽእሉ ብፍታው ዚዓይዩ ኽኢላታት ዓየይትን+ ኵሉ ትእዛዛትካ ዚፍጽሙ መሳፍንትን+ ኵሎም ህዝብን ኣለዉኻ።” 8 ብንያም+ ንበዅሩ ቤላዕ፡+ ንኻልኣይ ኣሽቤል፡+ ንሳልሳይ ኣሕራሕ፡ 2 ንራብዓይ ኖሓ፡ ንሓምሻይ ራፋ ወለደ። 3 ደቂ ቤላዕ፡ ኣዳርን ጌራን+ ኣቢሁድን 4 ኣቢሹዓን ንእማንን ኣሖኣሕን 5 ጌራን ሸፉፋንን ሑራምን እዮም። 6 እዚኣቶም ደቂ ኤሁድ፡ ርእስታት ማይ ቤታት ነበርቲ ጌባዕ፡+ ናብ ማናሓት ተማሪኾም እተወስዱ እዮም፦ 7 ንእማን፡ ኣሒያ፡ ጌራ፡—ንሱ እቲ ናብ ምርኮ ዝወሰዶም እዩ፣ ንሱ ድማ ንዑዛን ንኣሒሁድን ወለደ። 8 ሸሓራዪም ምስ ኣሰናበቶም፡ ኣብ ምድሪ* ሞኣብ ደቂ ወለደ። ሑሺምን ባዓራን ኣንስቱ ነበራ።* 9 ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸኣ፡ ንዮባብን ንጺብያን ንሜሻን ንማልካምን 10 ንየዑጽን ንሳኽያን ንሚርማን ወለደ። እዚኣቶም ደቁ፡ ርእስታት ማይ ቤታት ነበሩ። 11 ካብ ሑሺም ድማ፡ ኣቢጡብን ኤልጳዓልን ወለደ። 12 ደቂ ኤልጳዓል ከኣ፡ ዔበርን ሚሽዓምን ሻመድን (ንሱ ንኦኖን+ ንሎድን+ ዓድታታን ዝሰርሐ) 13 በሪዓን ሸማዕን እዮም። እዚኣቶም ርእስታት ማይ ቤታት ነበርቲ ኣያሎን+ ነበሩ። እዚኣቶም ንነበርቲ ጋት ሰጐጕዎም። 14 ኣሕዮን ሻሻቅን የሬሞትን 15 ዘባድያን ዓራድን ዔደርን 16 ሚካኤልን ዪሽጳን ዮሓን ከኣ ደቂ በሪዓ፡ 17 ዘባድያን መሹላምን ሒዝቂን ሔበርን 18 ዪሽመራይን ዪዝሊያን ዮባብን ድማ ደቂ ኤልጳዓል፡ 19 ያቂምን ዚክሪን ዛብዲን 20 ኤልዔናይን ጺልታይን ኤሊኤልን 21 ዓዳያን በራያን ሺምራትን ከኣ ደቂ ሺምዒ፡ 22 ዪሽጳንን ዔበርን ኤሊኤልን 23 ዓብዶንን ዚክሪን ሓናንን 24 ሓናንያን ዔላምን ዓንቶቲያን 25 ዪፍድያን ጰኑኤልን ድማ ደቂ ሻሻቅ፡ 26 ሻምሸራይን ሸሓርያን ዓታልያን 27 የዓረሽያን ኤልያስን ዚክሪን ከኣ ደቂ የሮሓም እዮም። 28 እዚኣቶም በብትውልዶም ርእስታት ማይ ቤታት ነበሩ። እዞም ርእስታት እዚኦም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ። 29 ኣቦ ጊብዖን፡ የዒኤል፡ ኣብ ጊብዖን+ ይቕመጥ ነበረ። ስም ሰበይቱ ማዓካ እዩ።+ 30 በዅሪ ወዱ ድማ ዓብዶን እዩ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ጹርን ቂስን በዓልን ናዳብን 31 ገዶርን ኣሕዮን ዜክርን። 32 ሚቅሎት ንሺምኣ ወለደ። ኵላቶም ከኣ ኣብ ጥቓ ኣሕዋቶም ኣብ የሩሳሌም ምስ ካልኦት ኣሕዋቶም ይቕመጡ ነበሩ። 33 ኔር+ ንቂስ ወለደ፣ ቂስ ንሳኦል+ ወለደ፣ ሳኦል ንዮናታንን+ ንማልኪ-ሹዓን+ ንኣቢናዳብን+ ንኤሽበዓልን*+ ወለደ። 34 ወዲ ዮናታን ድማ፡ መሪብ-በዓል*+ እዩ። መሪብ-በዓል ንሚካ+ ወለደ። 35 ደቂ ሚካ ኸኣ፡ ጲቶንን ሜሌክን ታእረዓን ኣሓዝን እዮም። 36 ኣሓዝ ንየሆዓዳ ወለደ፣ የሆዓዳ ንዓለመትን ንዓዝማዌትን ንዚምሪን ወለደ። ዚምሪ ንሞጻ ወለደ። 37 ሞጻ ንቢንዓ ወለደ፡ ራፋ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ። 38 ኣጼል ድማ ሽዱሽተ ደቂ ነበርዎ፣ ስማቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ዓዝሪቃም፡ ቦክሩ፡ እስማኤል፡ ሸዓርያ፡ ኦብድያ፡ ሓናን። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ኣጼል እዮም። 39 ደቂ ዔሼቅ ሓዉ ድማ፡ በዅሩ ኡላም፡ ካልኣይ የዑሽ፡ ሳልሳይ ከኣ ኤሊፈለጥ እዮም። 40 ደቂ ኡላም ድማ ቀስቲ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ* ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ፣ ብዙሓት ደቅን ደቂ ደቅን፡ 150 ከኣ ነበርዎም። ኵሎም እዚኣቶም ካብ ደቂ ብንያም እዮም። 11 ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን ተኣኪቦም፡+ “እንሆ፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና።+ 2 ኣቐዲሙ፡ ሳኦል ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል ኣብ ወፈራታቱ ትመርሖ* ኔርካ።+ የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ንዓኻ፡ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ እዩ” በልዎ።+ 3 ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መጹ፣ ዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል እተነግረ ቓል የሆዋ ኸኣ፡+ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ።+ 4 ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ንሳ ይቡስ፡+ ከዱ፣ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ይቡሳውያን+ ይነብሩ ነበሩ። 5 ነበርቲ ይቡስ ድማ ንዳዊት፡ “ናብዚ ኸቶ ኣይክትኣቱን ኢኻ!” ኢሎም ኣባጨዉሉ።+ ዳዊት ግና ንዕርዲ ጽዮን፡+ ንሳ ሕጂ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ።+ 6 ዳዊት ከኣ፡ “እቲ ቐዲሙ ንይቡሳውያን ዝወቕዐ ዘበለ፡ ሓለቓን* መስፍንን ኪኸውን እዩ” በለ። ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያ ድማ ቅድም ደየበ እሞ ሓለቓ ዀነ። 7 ዳዊት ከኣ ኣብቲ ዕርዲ ተቐመጠ። ስለዚ እዮም ከተማ ዳዊት ኢሎም ዝጸውዕዋ። 8 ንሱ ድማ ካብቲ ዅምራ* ኣትሒዙ ኽሳብ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ቦታታት፡ ነታ ኸተማ ብዙርያኣ ሰርሓ፣ ዮኣብ ከኣ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ኸተማ ኣዐረዮ። 9 በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት እናዓበየ ኸደ፣+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እውን ምስኡ ነበረ። 10 እቶም ከምቲ ብዛዕባ እስራኤል እተዘርበ ቓል የሆዋ ኼንግስዎ ኣብ ንግስናኡ ምስ ኵሎም እስራኤል ሓያል ደገፍ ዝሃብዎ ርእስታት ጀጋኑ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።+ 11 ዝርዝር ጀጋኑ ዳዊት እዚ እዩ፦ ያሾበዓም+ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፡ ርእሲ እቶም ሰለስተ።+ ንሱ ብሓንሳእ ኣብ ልዕሊ 300 ቕቱላት ኲናቱ ኣልዓለ።+ 12 ድሕሪኡ፡ ኣልኣዛር+ ወዲ ዶዶ እቲ ኣሖሓዊ+ ነበረ። ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነበረ። 13 ኣብ ጳስ-ዳሚም+ ከኣ ምስ ዳዊት ነበረ፣ ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብኡ ንውግእ ተኣከቡ። ኣብኡ ኸኣ ስገም ዝመልኣ ግራት ነበረት፣ እቲ ህዝቢ ድማ ብሰሪ ፍልስጥኤማውያን ሃደመ። 14 ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሓና፣ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ቀተሎም፣ የሆዋ ኸኣ ዓብዪ ዓወት* ኣምጽአ።+ 15 ካብቶም 30 ርእስታት ድማ ሰለስተ ናብቲ ኸውሒ፡ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ዓዱላም ወረዱ፣+ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም ሰፊሩ ነበረ።+ 16 ዳዊት ድማ ሽዑ ኣብ ዕርዲ ነበረ፣ ዝዓረደ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ቤት-ልሄም ነበረ። 17 ዳዊት ድማ፡ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘሪ፡ ማይ ክሰቲ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሃበ፧” ኢሉ ትምኒቱ ገለጸ።+ 18 ሽዑ፡ እቶም ሰለስተ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘር ማይ ድማ ማይ ቀዲሖም፡ ንዳዊት ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ግና ምስታዩ ኣበየ፡ ንየሆዋ እውን ኣፍሰሶ። 19 “ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ እዚ ኽገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! ህይወቶም* ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም* ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፧” ከኣ በለ።+ ስለዚ፡ ምስታዩ ኣበየ። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ። 20 ኣቢሻይ+ ሓው ዮኣብ+ ድማ፡ ርእሲ ኻልኦት ሰለስተ ዀነ። ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ 300 ቕቱላት ኲናቱ ኣልዓለ፣ ከምቶም ሰለስተ ድማ ስሙይ ነበረ።+ 21 ካብቶም ካልኦት ሰለስተስ፡ ንሱ ኻብቶም ክልተ ይኸብር ነበረ፡ ሓለቓኦም እውን ኰነ፣ ማዕረ እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ግና ኣይበጽሐን። 22 በናያ+ ወዲ የሆያዳ ኣብ ቃብጽኤል+ ብዙሕ ጅግንነታዊ ተግባር ዝገበረ ተባዕ ሰብኣይ* ነበረ። ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣርኤል ናይ ሞኣብ ቀተሎም፣ ብመዓልቲ ውርጪ ድማ ናብ ጕድጓድ ማይ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።+ 23 ንሓደ ሓሙሽተ እመት* ዝቝመቱ ገዚፍ ግብጻዊ ሰብኣይ እውን ቀተሎ።+ ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዚኸውን ኲናት እኳ እንተ ነበረ፡+ ንሱ ብበትሪ ገጠመሉ እሞ፡ ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ፡ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ።+ 24 በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገበረ፣ ከምቶም ሰለስተ ጀጋኑ ኸኣ ስሙይ ነበረ። 25 ካብቶም ሰላሳ ዝኸበረ እኳ እንተ ነበረ፡ ማዕረ እቶም ሰለስተ ግና ኣይበጽሐን፣+ ዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ዘብዐኛታቱ ሸሞ። 26 እቶም ናይቲ ሰራዊት ጀጋኑ ኸኣ፡ ዓሳሄል+ ሓው ዮኣብ፡ ኤልሓናን ወዲ ዶዶ ኻብ ቤት-ልሄም፡+ 27 ሻሞት እቲ ሃሮራዊ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ፡ 28 ዒራ+ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ፡ ኣቢ-ዔዘር+ እቲ ዓናቶታዊ፡ 29 ሲብካይ+ እቲ ሑሻታዊ፡ ዒላይ እቲ ኣሖሓዊ፡ 30 ማሃራይ+ እቲ ነጦፋታዊ፡ ሔለድ+ ወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊ፡ 31 ኢታይ ወዲ ሪባይ ካብ ጊብዓ ናይ ብንያማውያን፡+ በናያ እቲ ጲርዓቶናዊ፡ 32 ሑራይ ካብ ርባታት* ጋዓሽ፡+ ኣቢኤል እቲ ዓርባታዊ፡ 33 ዓዝማዌት እቲ ባሓሩማዊ፡ ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊ፡ 34 ደቂ ሃሸም እቲ ጊዞናዊ፡ ዮናታን ወዲ ሻገ እቲ ሃራራዊ፡ 35 ኣሒያም ወዲ ሳካር እቲ ሃራራዊ፡ ኤሊፋል ወዲ ኡር፡ 36 ሔፈር እቲ መኬራታዊ፡ ኣሒያ እቲ ጰሎናዊ፡ 37 ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ናዓራይ ወዲ ኤዝባይ፡ 38 ዮኤል ሓው ናታን፡ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፡ 39 ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሕራይ እቲ ቤሮታዊ፡ ተሰካም ኣጽዋር ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡ 40 ዒራ እቲ ዪትራዊ፡ ጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡ 41 ኡርያ+ እቲ ሔታዊ፡ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፡ 42 ዓዲና ወዲ ሺዛ እቲ ሮቤላዊ፡ ርእሲ ሮቤላውያን፡ ምስኡ ድማ 30፡ 43 ሓናን ወዲ ማዓካ፡ ዮሳፋጥ እቲ ሚትናዊ፡ 44 ዑዝያ እቲ ዓሽተራታዊ፡ ሻማን የዒኤልን ደቂ ሖታም እቲ ዓሮዔራዊ፡ 45 የዲዓኤል ወዲ ሺምሪ፡ ዮሓ ኸኣ ሓው እቲ ቲጻዊ፡ 46 ኤሊኤል እቲ ማሓዋዊ፡ የሪባይን ዮሻዊያን ደቂ ኤልናዓም፡ ዪትማ እቲ ሞኣባዊ፡ 47 ኤሊኤል፡ ዖቤድ፡ ያዓሺኤል እቲ መጾባዊ እዮም። 2 ደቂ እስራኤል+ እዚኣቶም እዮም፦ ሮቤልን+ ስምኦንን+ ሌዊን+ ይሁዳን+ ይሳኮርን+ ዛብሎንን+ 2 ዳንን+ ዮሴፍን+ ብንያምን+ ንፍታሌምን+ ጋድን+ ኣሴርን።+ 3 ደቂ ይሁዳ፡ ዔርን ኦናንን ሸላሕን እዮም። ሰለስቲኦም ካብታ ከነኣናዊት ጓል ሹዓ እተወልዱሉ እዮም።+ ዔር እቲ በዅሪ ይሁዳ ግና፡ ንየሆዋ ኣጕሃዮ፣ ንሱ ድማ ቀተሎ።+ 4 ታማር፡+ ሰበይቲ ወዱ ንይሁዳ ኸኣ፡ ንፋሬስን+ ንዜራሕን ወለደትሉ። ደቂ ይሁዳ፡ ኵሉ ዅሎም ሓሙሽተ እዮም። 5 ደቂ ፋሬስ፡ ሔጽሮንን ሓሙልን+ እዮም። 6 ደቂ ዜራሕ፡ ዚምሪን ኤታንን ሄማንን ካልኮልን ዳራዕን እዮም። ኵሉ ዅሎም ሓሙሽተ እዮም። 7 ወዲ* ካርሚ፡ እቲ ንጥፍኣት ብእተመጠወ ጠሊሙ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መዓት ዘምጽአ* ዓካር* እዩ።+ 8 ወዲ* ኤታን፡ ዓዛርያ እዩ። 9 እቶም ንሔጽሮን እተወልዱሉ ደቂ፡ የራሕምኤልን+ ራምን+ ከሉባይን* እዮም። 10 ራም ንኣሚናዳብ ወለደ።+ ኣሚናዳብ ንነኣሶን እቲ ሹም ደቂ ይሁዳ ወለደ።+ 11 ነኣሶን ንሳልማ+ ወለደ። ሳልማ ንቦኣዝ+ ወለደ። 12 ቦኣዝ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ንእሴይ ወለደ።+ 13 እሴይ ንበዅሩ ኤልያብ፡ ንኻልኣይ ኣቢናዳብ፡+ ንሳልሳይ ሺምዓ፡+ 14 ንራብዓይ ናትናኤል፡ ንሓምሻይ ራዳይ፡ 15 ንሻድሻይ ኦጼም፡ ንሻውዓይ ዳዊት+ ወለደ። 16 ኣሓቶም ከኣ ጽሩያን ኣቢጋይልን+ እየን። ደቂ ጽሩያ፡ ኣቢሻይን+ ዮኣብን+ ዓሳሄልን፡+ ሰለስተ እዮም። 17 ኣቢጋይል ድማ ንዓማሳ+ ወለደት፣ ኣቦ ዓማሳ ኸኣ፡ የተር ዚብሃል እስማኤላዊ እዩ። 18 ካሌብ* ወዲ ሔጽሮን፡ ካብ ዓዙባ ሰበይቱን ካብ የሪዖትን ደቂ ወለደ፣ ደቁ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ የሸርን ሾባብን ኣርዶንን። 19 ዓዙባ ምስ ሞተት፡ ካሌብ ንኤፍራታ+ ተመርዓዋ፣ ንሳ ኸኣ ንሑር+ ወለደትሉ። 20 ሑር ንኡሪ ወለደ። ኡሪ ንበሳልኤል+ ወለደ። 21 ደሓር ሔጽሮን ናብ ጓል ማኪር+ ኣቦ ጊልዓድ+ ኣተወ። ወዲ 60 ዓመት ምስ ኰነ ድማ ተመርዓዋ፣ ንሳ ኸኣ ንሴጉብ ወለደትሉ። 22 ሴጉብ ንያኢር+ ወለደ፣ ንሱ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ+ 23 ከተማ ነበራኦ። 23 ጌሹርን+ ሶርያን+ ከኣ ንሓዎት-ያኢር+ ምስ ቄናትን+ ዓድታታን፡ 60 ኸተማ፡ ካባታቶም ወሰድወን። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ማኪር ኣቦ ጊልዓድ እዮም። 24 ሔጽሮን+ ኣብ ካሌብ-ኤፍራታ ምስ ሞተ፡ ኣብያ ሰበይቲ ሔጽሮን ንኣሽሑር+ ኣቦ ተቆዓ+ ወለደትሉ። 25 ደቂ የራሕምኤል፡ በዅሪ ሔጽሮን፡ ራም እቲ በዅርን ቡናን ኦሬንን ኦጼምን ኣሒያን እዮም። 26 የራሕምኤል ከኣ ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ነበረቶ። ንሳ ኣደ ኦናም እያ። 27 ደቂ ራም እቲ በዅሪ የራሕምኤል፡ ማዓጽን ያሚንን ዔቀርን እዮም። 28 ደቂ ኦናም፡ ሻማይን ያዳዕን እዮም። ደቂ ሻማይ፡ ናዳብን ኣቢሹርን እዮም። 29 ስም ሰበይቲ ኣቢሹር፡ ኣቢሓይል እዩ፣ ንሳ ኸኣ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ። 30 ደቂ ናዳብ፡ ሰለድን ኣጳይምን እዮም። ሰለድ ግና ብዘይ ደቂ ሞተ። 31 ወዲ* ኣጳይም፡ ዪሺዒ እዩ። ወዲ* ዪሺዒ ድማ፡ ሸሻን እዩ፣ ወዲ* ሸሻን ከኣ፡ ኣሕላይ እዩ። 32 ደቂ ያዳዕ ሓው ሻማይ፡ የተርን ዮናታንን እዮም። የተር ግና ብዘይ ደቂ ሞተ። 33 ደቂ ዮናታን፡ ጰለትን ዛዛን እዮም። እዚኣቶም ደቂ የራሕምኤል እዮም። 34 ሸሻን ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን። ሸሻን ከኣ፡ ያርሓዕ ዝስሙ ግብጻዊ ጊልያ ነበሮ። 35 ሸሻን ድማ ንያርሓዕ ጊልያኡ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓሉ ሃቦ፣ ንሳ ኸኣ ንዓታይ ወለደትሉ። 36 ዓታይ ንናታን ወለደ። ናታን ንዛባድ ወለደ። 37 ዛባድ ንኤፍላል ወለደ። ኤፍላል ንዖቤድ ወለደ። 38 ዖቤድ ንየሁ ወለደ። የሁ ንዓዛርያ ወለደ። 39 ዓዛርያ ንሔለጽ ወለደ። ሔለጽ ንኤልዓሳ ወለደ። 40 ኤልዓሳ ንሲስማይ ወለደ። ሲስማይ ንሻሉም ወለደ። 41 ሻሉም ንየቃምያ ወለደ። የቃምያ ንኤሊሻማዕ ወለደ። 42 ደቂ ካሌብ*+ ሓው የራሕምኤል፡ እቲ ኣቦ ዚፍ ዝዀነ በዅሩ ሜሻን ደቂ ማረሻ ኣቦ ኬብሮንን እዮም። 43 ደቂ ኬብሮን፡ ቆራሕን ታጱኣን ሬቀምን ሸማዕን እዮም። 44 ሸማዕ ንራሓም ኣቦ ዮርቀዓም ወለደ። ሬቀም ንሻማይ ወለደ። 45 ወዲ ሻማይ፡ ማዖን እዩ። ማዖን ኣቦ ቤት-ጹር+ እዩ። 46 ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ፡ ንካራንን ንሞጻን ንጋዜዝን ወለደት። ካራን ንጋዜዝ ወለደ። 47 ደቂ የህዳይ፡ ረገምን ዮታምን ጌሻንን ጰለጥን ዔፋን ሻዓፍን እዮም። 48 ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ፡ ንሸበርን ንቲርሓናን ወለደት። 49 ንሻዓፍ ኣቦ ማድማናን+ ንሸዋእ ኣቦ ማክቤናን ንጊብዓን+ ከኣ ወለደት። ጓል ካሌብ፡+ ዓክሳ+ እያ። 50 እዚኣቶም ደቂ ካሌብ እዮም። ደቂ ሑር+ እቲ በዅሪ ኤፍራታ፡+ ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪምን+ 51 ሳልማ ኣቦ ቤት-ልሄምን+ ሓሬፍ ኣቦ ቤት-ጋደርን እዮም። 52 ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም ደቂ ነበርዎ፦ ሃሮኤን ፍርቂ ሜኑሖትን። 53 ዓሌታት ቂርያት-የዓሪም፡ ዪትራውያንን+ ጱታውያንን ሹማታውያንን ሚሽራዓውያንን እዮም። ጾርዓታውያንን+ ኤሽታኦላውያንን+ ካብዚኣቶም እዮም ወጺኦም። 54 ደቂ ሳልማ፡ ቤት-ልሄምን+ ነጦፋታውያንን ዓጥሮት-ቤት-ዮኣብን ፍርቂ ማናሕታውያንን ጾርዓውያንን እዮም። 55 ዓሌታት እቶም ኣብ ያዕቤጽ ዚቕመጡ ዝነበሩ ጸሓፍቲ፡ ቲርዓታውያንን ሺምዓታውያንን ሱካታውያንን እዮም። እዚኣቶም ካብ ሓማት ኣቦ ቤት ሬካብ+ ዝመጹ ቄናውያን+ እዮም። 26 ክፍልታት እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ካብ ቆራሓውያን፡ መሸለምያ+ ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ። 2 መሸለምያ ኸኣ ደቂ ነበርዎ፦ እቲ በዅሪ ዘካርያስ፡ እቲ ኻልኣይ የዲዓኤል፡ እቲ ሳልሳይ ዘባድያ፡ እቲ ራብዓይ የትኒኤል፡ 3 እቲ ሓምሻይ ዔላም፡ እቲ ሻድሻይ ዮሓናን፡ እቲ ሻውዓይ ኤልይሆ-ዔናይ። 4 ዖቤድ-ኤዶም ድማ ደቂ ነበርዎ፦ እቲ በዅሪ ሸማዕያ፡ እቲ ኻልኣይ የሆዛባድ፡ እቲ ሳልሳይ ዮኣሕ፡ እቲ ራብዓይ ሳካር፡ እቲ ሓምሻይ ናትናኤል፡ 5 እቲ ሻድሻይ ዓሚኤል፡ እቲ ሻውዓይ ይሳኮር፡ እቲ ሻምናይ ጰዑለታይ፣ ኣምላኽሲ ባሪኽዎም ነበረ። 6 ንወዱ ሸማዕያ ኸኣ፡ ኣወዳት ተወልዱሉ፣ ንሳቶም ክኢላታት ሓያላት ነበሩ እሞ፡ ኣሕሉቕ ማይ ቤታቶም ኰኑ። 7 ደቂ ሸማዕያ፦ ዖትኒን ረፋኤልን ዖቤድን ኤልዛባድን፣ ኣሕዋቱ ኤሊሁን ሰማክያን እውን ክኢላታት ነበሩ። 8 ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዖቤድ-ኤዶም እዮም፣ ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን፡ ንኣገልግሎት ብቑዓት ክኢላታት ሰባት፡ 62 ናይ ዖቤድ-ኤዶም ነበሩ። 9 መሸለምያ+ ድማ ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ፡ 18 ክኢላታት ሰባት። 10 ሖሳ ኻብ ደቂ መራሪ ኸኣ ደቂ ነበርዎ። ሺምሪ ርእሲ ነበረ፣ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣቦኡ ርእሲ ገይሩ ሸሞ፣ 11 እቲ ኻልኣይ ሒልቅያ፡ እቲ ሳልሳይ ጠባልያ፡ እቲ ራብዓይ ዘካርያስ። ኵሎም ደቅን ኣሕዋትን ሖሳ 13 ነበሩ። 12 ካብዞም ክፍልታት ሓለውቲ ኣፍ ደገ፡ እቲ ርእሲ ኸምቶም ኣሕዋቱ ኣብ ቤት የሆዋ ኼገልግል ሓላፍነት ነበሮ። 13 ስለዚ፡ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ ብማዕረ፡ በብማይ ቤቶም፡ ንኣፍ ደገታት ዕጫ ኣውደቑ።+ 14 እቲ ናይ ምብራቕ ዕጫ ኸኣ ናብ ሸለምያ ወደቐ። ነቲ ኣስተውዓሊ ኣማኻሪ ዝነበረ ዘካርያስ ወዱ ዕጫ ኣውደቑሉ፣ ዕጫኡ ድማ ብሰሜን ወጸ። 15 ዖቤድ-ኤዶም ከኣ ብደቡብ ወጸሉ፣ ደቁ+ ድማ ኣብቲ ማዕከናት ተመደቡ። 16 ሹጲምን ሖሳን+ ድማ ጕጅለ ሓለዋ ኣብ ጐድኒ ጕጅለ ሓለዋ ኪዀኑ፡ ብምዕራብ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ሻለክት፡ ኣብቲ ንዓቐብ ዚድይብ ጐደና ወጸሎም። 17 ብምብራቕ ሽዱሽተ ሌዋውያን ነበሩ፣ ብሰሜን ነንመዓልቲ ኣርባዕተ ነበሩ፣ ብደቡብ ነንመዓልቲ ኣርባዕተ ነበሩ፣ ኣብቲ ማዕከናት+ ከኣ ክልተ ብኽልተ ነበሩ፣ 18 ኣብቲ ብምዕራብ ዝነበረ ወገፈ፡ ኣብቲ ጐደና+ ኣርባዕተ፡ ኣብቲ ወገፈ ድማ ክልተ ነበሩ። 19 እቶም ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ካብ ደቂ መራራውያንን ዝነበሩ ኽፍልታት ሓለውቲ ኣፍ ደገ እዚኣቶም እዮም። 20 ካብ ሌዋውያን ከኣ፡ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ* ነገራትን ሓላፍነት ነበሮ።+ 21 ደቂ ላዕዳን፦ ደቂ ጌርሾናውያን ናይ ላዕዳን፡ ማለት ርእስታት ማይ ቤታት ናይ ላዕዳን እቲ ጌርሾናዊ፡ የሒኤሊ፡+ 22 ደቂ የሒኤሊ ድማ፡ ዜታምን ሓዉ ዮኤልን። ንሳቶም ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት የሆዋ+ ሓላፍነት ነበሮም። 23 ካብ ዓምራማውያንን ይጽሃራውያንን ኬብሮናውያንን ዑዚኤላውያንን፡+ 24 ሸቡኤል ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከናት ሓላፍነት ዝነበሮ መራሒ ነበረ። 25 እቶም ካብ ኤልዔዘር+ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኸኣ፡ ረሓብያ+ ወዱ፡ የሻዕያ ወዱ፡ ዮራም ወዱ፡ ዚክሪ ወዱ፡ ሸሎሞት ወዱ። 26 እዚ ሸሎሞት እዝን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ መዛግብቲ እቲ ንጉስ ዳዊትን+ ርእስታት ማይ ቤታትን+ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሰራዊትን ዝቐደስዎ እተቐደሰ ነገራት ሓላፍነት ነበሮም።+ 27 ንሳቶም ካብ ውግእን+ ካብ ምርኮን+ ንመተዓራረዪ ቤት የሆዋ ቐዲሶም ነበሩ፣ 28 ኵሉ እቲ ሳሙኤል እቲ ረኣይን+ ሳኦል ወዲ ቂስን ኣብኔር+ ወዲ ኔርን ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያን+ ዝቐደስዎ እውን ከምኡ። ዝዀነ ሰብ ዝቐደሶ ዘበለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ሸሎሚትን ኣሕዋቱን ነበረ። 29 ካብ ይጽሃራውያን፡+ ከናንያን ደቁን ኣብ ናይ ግዳም ምምሕዳራዊ ዕዮ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣሕሉቕን ፈራዶን+ ኪዀኑ ተመደቡ። "30 ካብ ኬብሮናውያን፡+ ሓሻብያን ኣሕዋቱን፡ 1,700 ክኢላታት ሰብኡት፡ ንዅሉ ዕዮ የሆዋን ንዅሉ ኣገልግሎት ንጉስን ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር እቲ ብምዕራብ ዮርዳኖስ ዘሎ ዞባ እስራኤል ነበሩ።" 31 ካብ ኬብሮናውያን፡ የሪያ+ ብትውልዲ ማይ ቤታቶም ርእሲ ኬብሮናውያን ነበረ። ኣብ መበል 40 ዓመት ንግስና ዳዊት+ ተደልዩ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ኣብ ያዕዜር+ ኣብ ጊልዓድ ክኢላታት ሓያላት ተረኽቡ። "32 ኣሕዋቱ ኸኣ 2,700 ዝቝጽሮም ክኢላታት ሰብኡት፡ ርእስታት ማይ ቤታት ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ኣብ ኵሉ ነገር እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ነገር ንጉስን፡ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናስያውያንን መደቦም።" 4 ደቂ ይሁዳ፡ ፋሬስን+ ሔጽሮንን+ ካርሚን ሑርን+ ሾባልን+ እዮም። 2 ረኣያ ወዲ ሾባል ንያሓት ወለደ፣ ያሓት ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ። እዚኣቶም ዓሌት ጾርዓታውያን+ እዮም። 3 ደቂ ኣቦ ዔጣም+ እዚኣቶም እዮም፦ ይዝርኤልን ይሽማን ይድባሽን (ስም ሓብቶም ከኣ ሃጽለልጶኒ) 4 ጰኑኤል ኣቦ ገዶርን ኤጸር ኣቦ ሑሻን። እዚኣቶም ደቂ ሑር+ በዅሪ ኤፍራታ፡ ኣቦ ቤት-ልሄም፡+ እዮም። 5 ኣሽሑር+ ኣቦ ተቆዓ፡+ ሔልኣን ናዓራን ዚብሃላ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። 6 ናዓራ ድማ ንኣሑዛምን ንሔፈርን ንተምኒን ንኣሓሽታሪን ወለደትሉ። እዚኣቶም ደቂ ናዓራ እዮም። 7 ደቂ ሔልኣ ኸኣ፡ ጸረትን ይጽሃርን ኤታንን እዮም። 8 ቆጽ ንዓኑብን ንጾቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ። 9 ያዕቤጽ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ፣ ኣዲኡ ድማ፡ “ብጻዕሪ ወሊደዮ” ኢላ ስሙ ያዕቤጽ* ኣውጽኣትሉ። 10 ያዕቤጽ ከኣ ናብ ኣምላኽ እስራኤል፡ “እንተ ትባርኸኒ፡ ዓደይ ድማ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካ ኸኣ ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ጕድኣት ምእንቲ ኸይረኽበኒ እውን ካብ መዓት እንተ ተድሕነኒ” ኢሉ ተማህለለ። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ዝለመኖ ገበረሉ። 11 ከሉብ ሓው ሹሓ ንመሒር ኣቦ ኤሽቶን ወለደ። 12 ኤሽቶን ንቤት-ራፋን ንጳሴሓን ንትሒና ኣቦ ዔር-ናሓስን ወለደ። እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም። 13 ደቂ ቄናዝ፡ ዖትኒኤልን+ ሰራያን እዮም፣ ወዲ* ዖትኒኤል ድማ ሓታት እዩ። 14 መዖኖታይ ንዖፍራ ወለደ። ሰራያ ንዮኣብ ኣቦ ገ-ሓራሺም* ወለደ፣ ከምኡ ተባሂሎም እተጸውዑ፡ ኢደ ጥበበኛታት ስለ ዝነበሩ እዮም። 15 ደቂ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፡ ዒሩን ኤላህን ናዓምን እዮም፣ ወዲ* ኤላህ ከኣ፡ ቄናዝ እዩ። 16 ደቂ የሃልኤል፡ ዚፍን ዚፋን ቲርያን ኣሳርኤልን እዮም። 17 ደቂ እዝራ፡ የተርን መረድን ዔፌርን ያሎንን እዮም፣ ንሳ* ጠነሰት፡ ንሚርያምን ንሻማይን ንይሽባሕ ኣቦ ኤሽትሞዓን ድማ ወለደት። 18 (እታ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ንየሬድ ኣቦ ገዶርን ንሔበር ኣቦ ሶኮን ንየቁቲኤል ኣቦ ዛኖኣን ወለደት።) እዚኣቶም ደቂ ቢትያ ጓል ፈርኦን እታ መረድ እተመርዓዋ እያ። 19 ደቂ ሰበይቲ ሆድያ ሓብቲ ናሓም፡ ኣቦታት ቅዒላ እቲ ጋርማውን ኤሽትሞዓ እቲ ማዓካታውን እዮም። 20 ደቂ ሺሞን፡ ኣምኖንን ሪናን ቤን-ሓናንን ቲሎንን እዮም። ደቂ ዪሺዒ፡ ዞሔትን ቤን-ዞሔትን እዮም። 21 ደቂ ሸላሕ+ ወዲ ይሁዳ፡ ዔር ኣቦ ሌካን ላዕዳ ኣቦ ማረሻን ዓሌታት ዓየይቲ ቕጭን ዓለባ ቤት ኣሽቤዓን እዮም፣ 22 ዮቂምን ሰብ ኮዜባን ዮኣስን ሳራፍን ድማ ሰብኡት ሞኣባውያን ኣንስቲ ዀኑ፡ ያሹቢ-ለሔም እውን። እዚ መዛግብቲ እዚ ናይ ጥንቲ እዩ።* 23 ንሳቶም ኣብ ነታዪምን ገደራን ዚነብሩ ሰራሕቲ ኻይላ ነበሩ። ኣብኡ ይነብሩን ንንጉስ ይሰርሑን ነበሩ። 24 ደቂ ስምኦን፡+ ነሙኤልን ያሚንን ያሪብን ዜራሕን ሻኡልን+ እዮም። 25 ሻሉም ወዱ፡ ሚብሳም ወዱ፡ ሚሽማዕ ወዱ። 26 ደቂ ሚሽማዕ እውን፡ ሓሙኤል ወዱ፡ ዛኩር ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ። 27 ሺምዒ ድማ 16 ኣወዳትን 6 ኣዋልድን ነበርዎ፣ ኣሕዋቱ ግና ብዙሓት ኣወዳት ኣይነበርዎምን፣ ካብ ዓሌታቶም ክንዲ ሰብ ይሁዳ ዝበዝሐ ኣይነበረን።+ 28 ንሳቶም ኣብ ብኤር-ሸባዕን+ ሞላዳን+ ሓጻር-ሹዓልን+ 29 ቢልሃን ዔጸምን+ ቶላድን 30 ቤቱኤልን+ ሖርማን+ ጺቅላግን+ 31 ቤት-ማርካቦትን ሓጻር-ሱሲምን+ ቤት-ቢርኢን ሻዓራይምን ይነብሩ ነበሩ። ዳዊት ክሳዕ ዚነግስ፡ እዚኣተን ከተማታቶም ነበራ። 32 ሰፈራቶም ዔጣምን ዓዪንን ሪሞንን ቶኬንን ዓሻንን፡+ ሓሙሽተ ኸተማ፡ 33 ምስተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚአን ዝነበራ ሰፈራት ክሳብ በዓል እየን። እተን ዚነብሩለን ዝነበሩ እዚኣተን እየን፣ ምዝገባ ወለዶኦም ከኣ እዚ እዩ። 34 መሾባብን ያምሌክን ዮሻ ወዲ ኣማስያን 35 ዮኤልን የሁ ወዲ ዮሺብያ ወዲ ሰራያ ወዲ ዓሲኤልን 36 ኤልዮዔናይን ያዓቆባን የሾሓያን ዓሳያን ዓዲኤልን የሲሚኤልን በናያን 37 ዚዛ ወዲ ሺፍዒ ወዲ ኣሎን ወዲ የዳያ ወዲ ሺምሪ ወዲ ሸማዕያን፣ 38 እዞም ብስሞም እተረቝሑ፡ ኣብ መንጎ ዓሌታቶም ሹማምንቲ ነበሩ፣ ቤተ ሰብ ኣቦታቶም ከኣ ብዝሖም ወሰኸ። 39 ንመጓሰኦም መጓሰዪታት ደልዮም ድማ፡ ናብ መእተዊ ገዶር፡ ናብ ምብራቕ እቲ ስንጭሮ ኸዱ። 40 ስቡሕን ጽቡቕን መጓሰዪታት ከኣ ረኸቡ፣ እታ ምድሪ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ገፋሕ ነበረት። እቶም ኣቐዲሞም ኣብኣ ዚነብሩ ዝነበሩ ካማውያን+ ነበሩ። 41 እዞም ብስሞም እተዘርዘሩ ድማ ብዘመን ህዝቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ መጺኦም ንድንኳናት እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ካማውያንን መዑኒምን ወቕዑ። ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዀይኖምዎ ዘለዉ ድማ ኣጥፍእዎም፣ ኣብኣ ንመጓሰኦም ዚኸውን መጓሰዪታት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክንዳኦም ሰፈርዋ። 42 ገለ ኻብ ደቂ ስምኦን፡ 500 ሰባት፡ ምስቶም ዝመርሕዎም ጰላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዚኤልን ደቂ ዪሺዒ ዀይኖም ናብ ከረን ሰዒር+ ከዱ። 43 ነቶም ኣምሊጦም ዝተረፉ ኣማሌቃውያን+ ከኣ ወቕዕዎም፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኣ ይነብሩ ኣለዉ። 16 ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኣምጺኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ።+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣቕረቡ።+ 2 ዳዊት ድማ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕብረትን+ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም የሆዋ መረቖ። 3 ንዅሎም እስራኤላውያን ከኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ዓንኬላዊ ቕጫን ሓደ ጎጎ ተምርን ሓደ ጎጎ ዘቢብን መቐሎም። 4 ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ኼገልግሉን+ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬኽብርዎን* ኬመስግንዎን ኪውድስዎን ሸሞም። 5 ኣሳፍ+ እቲ ርእሲ፡ ካልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ ነበረ፣ የዒኤል፡ ሸሚራሞት፡ የሒኤል፡ ማቲትያ፡ ኤልያብ፡ በናያ፡ ዖቤድ-ኤዶም፡ የዒኤል+ ድማ ብበገናን ብመሰንቆን* ይጻወቱ ነበሩ፣+ ኣሳፍ ከኣ ብጸናጽል ሸሓኒ ይጻወት ነበረ፣+ 6 በናያን ያሓዚኤልን ድማ ወትሩ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። 7 ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብኣሳፍን+ ብኣሕዋቱን ኣቢሉ፡ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ንፈለማ ግዜ ኣበርከተ፦ 8 “ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡+ ስሙ ጸውዑ፡ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+ 9 ዘምሩሉ፡ ውዳሰ ዘምሩሉ፡*+ብዛዕባ ዅሉ ዜደንቕ ግብርታቱ ኣጸቢቕኩም ሕሰቡ።*+ 10 በቲ ቕዱስ ስሙ ተመክሑ።+ ልቢ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ይተሓጐስ።+ 11 ንየሆዋን ንብርታዐኡን ድለዩ።+ ወትሩ ገጹ* ድለዩ።+ 12 እቲ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱ፡ተኣምራቱን ዝፈረዶ ፍርድታትን ዘክሩ፡+ 13 እወ፡ ኣቱም ዘርኢ እስራኤል እቲ ጊልያኡ፡+ኣቱም ሕሩያቱ ደቂ ያእቆብ ዘክሩ።+ 14 ንሱ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ እዩ።+ 15 ኪዳኑ ንዘለኣለም፡ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ* ድማ ንሽሕ ወለዶታት ዘክሩ፣+ 16 እወ፡ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን፡+ነቲ ንይስሃቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ዘክሩ፣+ 17 ነዚ ንያእቆብ ስርዓት፡ንእስራኤል ድማ ናይ ሓዋሩ ኺዳን ገይሩ ኣቘመሉ፡+ 18 ከምዚ ኢሉ፦ ‘ብጽሒት ርስትኹም ክትከውን፡+ምድሪ ከነኣን ክህበካ እየ።’+ 19 እዚ ዝዀነ፡ ብቝጽሪ ሒደት ከለኹም፡እወ፡ ኣዚኹም ሒደትን ኣብታ ምድሪ ጓኖትን ከለኹም እዩ።+ 20 ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ ህዝቢ ኸዱ።+ 21 ሓደ ሰብ እኳ ኺጭቍኖም ኣይፈቐደን፣+ምእንታኦም ግና ነገስታት ገንሐ፡+ 22 ከምዚ ኢሉ፦ ‘ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፡ንነብያተይ ከኣ ክፉእ ኣይትግበርዎም።’+ 23 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ! ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ድሕነቱ ንገሩ!+ 24 ክብሩ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ዜደንቕ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ንገሩ። 25 የሆዋስ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ። ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።+ 26 ኵሎም ኣማልኽቲ ህዝብታት ከንቱ ኣማልኽቲ እዮም፣+የሆዋ ግና እቲ ንሰማያት ዝገበረ እዩ።+ 27 ክብርን ግርማን ኣብ ቅድሚኡ፡+ብርታዐን ሓጐስን ኣብ መንበሪኡ እዩ።+ 28 ኣቱም ዓሌታት ህዝብታት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፡ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+ 29 ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ፣+መባእ ሒዝኩም ኣብ ቅድሚኡ ምጹ።+ ንየሆዋ ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት* ስገዱሉ።*+ 30 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ በሉ! ምድሪ* ጸኒዓ እያ፡ ኣይትነቓነቕን* እያ።+ 31 ሰማያት ይተሓጐሱ፡ ምድሪ እውን ባህ ይበላ፣+ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ‘የሆዋ ነጊሱ!’ ይበሉ።+ 32 ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን የንጐድጕድ፣መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ። 33 ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ* ኣሎ እሞ፡ሽዑ፡ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበል። 34 ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+ 35 ከምዚ ድማ በሉ፦ ‘ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡ ኣድሕነና፡+ንቕዱስ ስምካ ኸነመስግኖ፡+ብምውዳስካ* እውን ክንፍሳህሲ፡+ካብ ኣህዛብ ኣክበናን ኣናግፈናን። 36 የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይወደስ።’” ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፡ “ኣሜን”* ኢሎም ንየሆዋ ወደስዎ። 37 ዳዊት ከኣ ንኣሳፍን+ ንኣሕዋቱን፡ ከምቲ መዓልታዊ ልማድ ገይሮም፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ወትሩ ኼገልግሉ፡+ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን የሆዋ ሓደጎም። 38 ዖቤድ-ኤዶምን ኣሕዋቱን፡ 68 ዝቝጽሮም ነበሩ፣ ዖቤድ-ኤዶም ወዲ የዱቱንን ሖሳን ድማ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነበሩ፣ 39 ካህን ጻዶቅን+ ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ ማሕደር የሆዋ፡ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ ኰይኖም፡+ 40 ኣብቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ወትሩ ንግሆን ምሸትን ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ የቕርቡሉ ነበሩ፣ ኵሉ እቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ የሆዋ እተጻሕፈ ኸኣ ይገብሩ ነበሩ።+ 41 ሄማንን የዱቱንን+ እቶም ብስሞም እተሰምዩ ዝተረፉ ሕሩያትን ድማ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” እሞ፡+ ንየሆዋ ኼመስግንዎ፡+ ምሳታቶም ነበሩ። 42 ሄማንን+ የዱቱንን ከኣ፡ ደሃይ መለኸትን ጸናጽል ሸሓንን እቲ ንውዳሰ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚኸውን ናውትን* ኬስምዑ፡ ምሳታቶም ነበሩ፣ ደቂ የዱቱን+ እውን ኣብቲ ኣፍ ደገ ነበሩ። 43 ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ፡ ነናብ ቤቱ ኸደ፣ ዳዊት ከኣ ቤተ ሰቡ ኺባርኽ ከደ። 6 ደቂ ሌዊ፡+ ጌርሾንን ቀሃትን+ መራሪን+ እዮም። 2 ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ይጽሃርን+ ኬብሮንን ዑዚኤልን+ እዮም። 3 ደቂ ዓምራም፡+ ኣሮንን+ ሙሴን+ ሚርያምን+ እዮም። ደቂ ኣሮን፡ ናዳብን ኣቢሁን+ ኣልኣዛርን+ ኢታማርን+ እዮም። 4 ኣልኣዛር ንፊንሃስ+ ወለደ፣ ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ። 5 ኣቢሹዓ ንቡቂ ወለደ፣ ቡቂ ንዑዚ ወለደ። 6 ዑዚ ንዜራሕያ ወለደ፣ ዜራሕያ ንመራዮት ወለደ። 7 መራዮት ንኣማርያ ወለደ፣ ኣማርያ ንኣሒጡብ+ ወለደ። 8 ኣሒጡብ ንጻዶቅ+ ወለደ፣ ጻዶቅ ንኣሒማዓጽ+ ወለደ። 9 ኣሒማዓጽ ንዓዛርያ ወለደ፣ ዓዛርያ ንዮሓናን ወለደ። 10 ዮሓናን ንዓዛርያ ወለደ። ንሱ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሃነጻ ቤት፡ ካህን ነበረ። 11 ዓዛርያ ንኣማርያ ወለደ፣ ኣማርያ ንኣሒጡብ ወለደ። 12 ኣሒጡብ ንጻዶቅ+ ወለደ፣ ጻዶቅ ንሻሉም ወለደ። 13 ሻሉም ንሒልቅያ+ ወለደ፣ ሒልቅያ ንዓዛርያ ወለደ። 14 ዓዛርያ ንሰራያ+ ወለደ፣ ሰራያ ንየሆጻዳቅ+ ወለደ። 15 የሆጻዳቅ ከኣ የሆዋ ብኢድ ነቡካድነጻር ገይሩ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ማሪኹ ኺወስደን ከሎ፡ ተማሪኹ ኸደ። 16 ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን* ቀሃትን መራሪን እዮም። 17 ስማት ደቂ ጌርሾም እዚ እዩ፦ ሊብኒን ሺምዒን።+ 18 ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ይጽሃርን ኬብሮንን ዑዚኤልን እዮም።+ 19 ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦+ 20 ካብ ጌርሾም፡+ ሊብኒ ወዱ፡ ያሓት ወዱ፡ ዚማ ወዱ፡ 21 ዮኣሕ ወዱ፡ ዒዶ ወዱ፡ ዜራሕ ወዱ፡ የኣትራይ ወዱ። 22 ደቂ ቀሃት እዚኣቶም እዮም፦ ኣሚናዳብ ወዱ፡ ቆራሕ+ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡ 23 ኤልቃና ድማ ወዱ፡ ኤብያሳፍ+ ከኣ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡ 24 ታሓት ወዱ፡ ኡርኤል ወዱ፡ ዑዝያ ወዱ፡ ሻኡል ወዱ። 25 ደቂ ኤልቃና፡ ዓማሳይን ኣሒሞትን እዮም። 26 ብዛዕባ ኤልቃና ድማ፡ ደቂ ኤልቃና እዚኣቶም እዮም፦ ጾፋይ ወዱ፡ ናሓት ወዱ፡ 27 ኤልያብ ወዱ፡ የሮሓም ወዱ፡ ኤልቃና+ ወዱ። 28 ደቂ ሳሙኤል፡+ እቲ በዅሪ ዮኤልን እቲ ኻልኣይ ኣብያን እዮም።+ 29 ደቂ መራሪ እዚኣቶም እዮም፦ ማሕሊ፡+ ሊብኒ ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ፡ ዑዛ ወዱ፡ 30 ሺምዓ ወዱ፡ ሓጊያ ወዱ፡ ዓሳያ ወዱ። 31 እቲ ታቦት ኣብ ቤት የሆዋ ምስ ዓረፈ፡ እቶም ዳዊት ኣብኡ መዝሙር ኪመርሑ ዝሸሞም እዚኣቶም እዮም።+ 32 ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤት የሆዋ ኽሳዕ ዚሃንጽ ከኣ፡+ ኣብቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ናይ ምዝማር ሓላፍነት ነበሮም፣ ከምቲ እተሰርዓሎም ድማ፡ ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ ነበሩ።+ 33 እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ቀሃታውያን፡ ሄማን+ እቲ ዘማሪ፡ ወዲ ዮኤል፡+ ወዲ ሳሙኤል፡ 34 ወዲ ኤልቃና፡+ ወዲ የሮሓም፡ ወዲ ኤሊኤል፡ ወዲ ቶዓሕ፡ 35 ወዲ ጹፍ፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ማሓት፡ ወዲ ዓማሳይ፡ 36 ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ዓዛርያ፡ ወዲ ጸፎንያስ፡ 37 ወዲ ታሓት፡ ወዲ ኣሲር፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ 38 ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቀሃት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል። 39 ሓዉ ኣሳፍ+ ብየማኑ ቘይሙ ነበረ፣ ኣሳፍ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ሺምዓ፡ 40 ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ ባዓሴያ፡ ወዲ ማልክያ፡ 41 ወዲ ኤትኒ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ወዲ ዓዳያ፡ 42 ወዲ ኤታን፡ ወዲ ዚማ፡ ወዲ ሺምዒ፡ 43 ወዲ ያሓት፡ ወዲ ጌርሾም፡ ወዲ ሌዊ። 44 ደቂ መራሪ+ እቶም ኣሕዋቶም ብጸጋም ነበሩ፣ ኤታን+ ወዲ ቂሺ፡ ወዲ ዓብዲ፡ ወዲ ማሉክ፡ 45 ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ኣማስያ፡ ወዲ ሒልቅያ፡ 46 ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ባኒ፡ ወዲ ሸመር፡ 47 ወዲ ማሕሊ፡ ወዲ ሙሺ፡ ወዲ መራሪ፡ ወዲ ሌዊ። 48 እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ንዅሉ ኣገልግሎት እቲ ማሕደር፡ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተሸሙ።*+ 49 ኣሮንን ደቁን+ ከኣ ከምቲ ሙሴ ጊልያ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ንእስራኤል ንምትዕራቕ፡+ ምስቲ ቕዱስ ቅዱሳን እተተሓሓዘ ነገራት ብምዕያይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን+ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዕጣንን+ ይዓጥኑ ነበሩ። 50 ደቂ ኣሮን እዚኣቶም እዮም፦+ ኣልኣዛር+ ወዱ፡ ፊንሃስ ወዱ፡ ኣቢሹዓ ወዱ፡ 51 ቡቂ ወዱ፡ ዑዚ ወዱ፡ ዜራሕያ ወዱ፡ 52 መራዮት ወዱ፡ ኣማርያ ወዱ፡ ኣሒጡብ+ ወዱ፡ 53 ጻዶቅ+ ወዱ፡ ኣሒማዓጽ ወዱ። 54 በብሰፈሮም* ኣብ ዓዓዶም ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታ እዚ እዩ፦ ንደቂ ኣሮን ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ቀዳማይ ዕጫ በጺሕዎም እዩ እሞ፡ 55 ኬብሮን+ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ መጓሰዪታት ሃብዎም። 56 ግራውቲ እታ ኸተማን ሰፈራታን ግና ንካሌብ+ ወዲ የፉነ ሃብዎ። 57 ንደቂ ኣሮን ዝሃብዎም ድማ እተን ከተማታት* ዕቝባ፡+ ኬብሮን፡+ ከምኡ ኸኣ ሊብና+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ያቲር፡+ ኤሽትሞዓ ምስ መጓሰዪታታ፡+ 58 ሒለን ምስ መጓሰዪታታ፡ ደቢር+ ምስ መጓሰዪታታ፡ 59 ዓሻን+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ቤት-ሸመሽ+ ምስ መጓሰዪታታ፣ 60 ካብ ነገድ ብንያም ድማ፡ ጌባዕ+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ዓለመት ምስ መጓሰዪታታ፡ ዓናቶት+ ምስ መጓሰዪታታ እየን። ኵለን እተን ንዓሌታቶም ዚዀና ኸተማታት፡ 13 ኸተማ ነበራ።+ 61 ነቶም ዝተረፉ ቀሃታውያን ከኣ፡ ካብ ዓሌት እቲ ነገድ፡ ካብ ፍርቂ ነገድ፡ ካብ ፍርቂ ምናሴ፡ ብዕጫ ዓሰርተ ኸተማ መደቡሎም።+ 62 ንጌርሾማውያን ድማ ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳንን 13 ኸተማ መደቡሎም።+ 63 ንመራራውያን ከኣ በብዓሌታቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕጫ 12 ኸተማ መደቡሎም።+ 64 በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ንሌዋውያን እዘን ከተማታት ምስ መጓሰዪታተን ሃብዎም።+ 65 ብተወሳኺ፡ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን እዘን ብስመን እተረቝሓ ኸተማታት ብዕጫ መደቡሎም። 66 ገሊኦም ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን ድማ ካብ ነገድ ኤፍሬም፡ ዓዶም ዚዀና ኸተማታት ነበራኦም።+ 67 እተን ዝሃብዎም ከኣ እተን ከተማታት* ዕቝባ፡ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘላ ሴኬም+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ከምኡ ድማ ጌዘር+ ምስ መጓሰዪታታ፡ 68 ዮቅመዓም ምስ መጓሰዪታታ፡ ቤት-ሖሮን+ ምስ መጓሰዪታታ፡ 69 ኣያሎን+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ጋት-ሪሞን+ ምስ መጓሰዪታታ፣ 70 ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ኸኣ ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ዓኔር ምስ መጓሰዪታታን ቢልዓም ምስ መጓሰዪታታን እየን። 71 ንጌርሾማውያን ድማ ካብ ዓሌት ፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን+ ምስ መጓሰዪታታን ዓሽታሮት ምስ መጓሰዪታታን፣+ 72 ካብ ነገድ ይሳኮር ከኣ፡ ቀደሽ ምስ መጓሰዪታታን ዳብራት+ ምስ መጓሰዪታታን+ 73 ራሞት ምስ መጓሰዪታታን ዓኔም ምስ መጓሰዪታታን፣ 74 ካብ ነገድ ኣሴር ድማ፡ ማሻል ምስ መጓሰዪታታን ዓብዶን ምስ መጓሰዪታታን+ 75 ሑቆቅ ምስ መጓሰዪታታን ሬሖብ+ ምስ መጓሰዪታታን፣ 76 ካብ ነገድ ንፍታሌም ከኣ፡ እታ ኣብ ገሊላ+ ዘላ ቀደሽ+ ምስ መጓሰዪታታን ሓሞን ምስ መጓሰዪታታን ቂርያታዪም ምስ መጓሰዪታታን መደቡሎም። 77 ነቶም ዝተረፉ መራራውያን ድማ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡+ ሪሞኖ ምስ መጓሰዪታታን ታቦር ምስ መጓሰዪታታን መደቡሎም፣ 78 ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኸኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል፡ እታ ኣብ በረኻ ዘላ ቤጸር ምስ መጓሰዪታታን ያሃጽ+ ምስ መጓሰዪታታን 79 ቀደሞት+ ምስ መጓሰዪታታን ሜፋዓት ምስ መጓሰዪታታን ተዋህባኦም፣ 80 ካብ ነገድ ጋድ ድማ፡ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት ምስ መጓሰዪታታን ማሓናዪም+ ምስ መጓሰዪታታን 81 ሔስቦን+ ምስ መጓሰዪታታን ያዕዜር+ ምስ መጓሰዪታታን ተዋህባኦም። 25 ዳዊትን ኣሕሉቕ እቶም ጕጅለታት ኣገልግሎትን ከኣ ንገለ ኻብ ደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን፡+ ብመሰንቆን* ብበገናን+ ብጸናጽል ሸሓንን+ እናተነበዩ ኼገልግሉ ፈለይዎም። ዝርዝር እቶም ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት እዚ እዩ፦ 2 ካብ ደቂ ኣሳፍ፡ ዛኩርን ዮሴፍን ነታንያን ኣሳርኤላን፣ ደቂ ኣሳፍ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣሳፍ ነበሩ፣ ንሱ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስ ይንበ ነበረ። 3 ካብ የዱቱን፡+ ደቂ የዱቱን፦ ገዳልያን ጸሪን የሻዕያን ሺምዒን ሓሻብያን ማቲትያን፡+ ሽዱሽተ፣ እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ንየሆዋ እናኣመስገነን እናወደሰን ብመሰንቆ ዚንበ ዝነበረ ኣቦኦም የዱቱን ነበሩ።+ 4 ካብ ሄማን፡+ ደቂ ሄማን፦ ቡቂያን ማታንያን ዑዚኤልን ሸቡኤልን የሪሞትን ሓናንያን ሓናኒን ኤሊኣታን ጊዳልቲን ሮማምቲ-ዔዘርን ዮሽብቃሻን ማሎቲን ሆቲርን ማሓዚኦትን። 5 ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ሄማን እዮም፣ ንሱ ኸኣ ኣብቲ ንኽብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ* ዚምልከት ነገር ናይ ንጉስ ብዓል ራእይ ነበረ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ንሄማን፡ 14 ኣወዳትን 3 ኣዋልድን ሃቦ። 6 ኵሎም እዚኣቶም ንኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ብጸናጽል ሸሓንን ብበገናን ብመሰንቆን+ ኪዝምሩ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቦኦም ነበሩ። ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስ ነበሩ። 7 ቍጽሮም ምስቶም ንየሆዋ ምዝማር ዝሰልጠኑ ኣሕዋቶም፡ ኵሎም ክኢላታት፡ 288 ነበረ። 8 ንዕዮኦም ከኣ፡ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ፡ ክኢላ ዀነ ተልመዴን ብማዕረ ዕጫ ኣውደቑ።+ 9 እቲ ቐዳማይ ዕጫ ኻብ ኣሳፍ ንዮሴፍ ወጸሉ፣+ እቲ ኻልኣይ ንገዳልያ+ (ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን 12 ነበሩ)፣ 10 እቲ ሳልሳይ ንዛኩር፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 11 እቲ ራብዓይ ንዪጽሪ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 12 እቲ ሓምሻይ ንነታንያ፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 13 እቲ ሻድሻይ ንቡቂያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 14 እቲ ሻውዓይ ንየሻርኤላ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 15 እቲ ሻምናይ ንየሻዕያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 16 እቲ ታሽዓይ ንማታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 17 እቲ ዓስራይ ንሺምዒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 18 እቲ መበል 11 ንዓዛርኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 19 እቲ መበል 12 ንሓሻብያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 20 ነቲ መበል 13፡ ሹባኤል፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 21 ነቲ መበል 14፡ ማቲትያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 22 ነቲ መበል 15፡ ንየሬሞት፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 23 ነቲ መበል 16፡ ንሓናንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 24 ነቲ መበል 17፡ ንዮሽብቃሻ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 25 ነቲ መበል 18፡ ንሓናኒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 26 ነቲ መበል 19፡ ንማሎቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 27 ነቲ መበል 20፡ ንኤሊኣታ፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 28 ነቲ መበል 21፡ ንሆቲር፡ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 29 ነቲ መበል 22፡ ንጊዳልቲ፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 30 ነቲ መበል 23፡ ንማሓዚኦት፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12፣ 31 ነቲ መበል 24፡ ንሮማምቲ-ዔዘር፡+ ደቁን ኣሕዋቱን 12። 10 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፣ ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ተቐቲሎም ወደቑ።+ 2 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦልን ንደቁን እግር እግሮም ሰዓብዎም፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን+ ደቂ ሳኦል ቀተልዎም። 3 እቲ ውግእ ድማ ንሳኦል በርትዖ፡ ቀስተኛታት ከኣ ረኸብዎ፡ በቶም ቀስተኛታት እውን ቈሰለ።+ 4 ሽዑ፡ ሳኦል ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “እዞም ዘይግዙራት እዚኦም መጺኦም ከይጭክኑለይሲ፡*+ ሰይፍኻ መሊሕካ ብእኡ ውግኣኒ” በሎ። እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ግና፡ እምብዛ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ኣበየ። ሽዑ፡ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።+ 5 እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን ኣብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። 6 በዚ ኸምዚ፡ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ኵሎም እቶም ኣብ ቤቱ ዝነበሩን ብሓደ ሞቱ።+ 7 እቶም ኣብ ስንጭሮ* ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ ኵሎም ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታቶም ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ሓዝወን። 8 ንጽብሒቱ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ቅቱላት ኪገፍፍዎም ምስ መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።+ 9 ንዕኡ ገፊፎም፡ ርእሱን ኣጽዋሩን ከኣ ወሲዶም፡ ንጣኦታቶምን ንህዝብን ኬውርዩ ናብ ኵላ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ወረ ለኣኹ።+ 10 ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት* ኣምላኾም ኣንበርዎ፣ ሽክና ርእሱ ኸኣ ኣብ ቤት ዳጎን ሰቐልዎ።+ 11 ኵሎም እቶም ኣብ ያቤሽ+ ናይ ጊልዓድ ዝነበሩ፡ ኵሉ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፡+ 12 ኵሎም ጀጋኑ ተንሲኦም፡ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ጾይሮም ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ ኣምጺኦም ከኣ ንኣዕጽምቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ያቤሽ ዘሎ ዓብዪ ኦም ቀበርዎ፣+ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ጾሙ። 13 በዚ ኸምዚ፡ ሳኦል ንቓል የሆዋ ስለ ዘይሓለወ፡+ ንየሆዋ ብምጥላሙን ንጠያቒት መናፍስቲ ብምሕታቱን ሞተ።+ 14 ንየሆዋ ኣይሓተቶን። ስለዚ ድማ ቀተሎ፣ ነቲ ንግስና ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣመሓላለፎ።+ 14 ሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት* ኪሃንጹሉ ልኡኻትን ኣዕጫው ቄድሮስን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ።+ 2 ዳዊት ከኣ፡ እቲ ንግስናኡ ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ተባሂሉ ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ነበረ እሞ፡+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ፈለጠ።+ 3 ዳዊት ድማ ኣብ የሩሳሌም ተወሰኽቲ ኣንስቲ ኣእተወ፣+ ዳዊት ከኣ ተወሰኽቲ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።+ 4 ስማት እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ እዚ እዩ፦+ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን+ ሰሎሞንን+ 5 ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን 6 ኖጋን ነፈግን ያፊዓን 7 ኤሊሻማዕን በዔልያዳን ኤሊፈለጥን። 8 ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኪነግስ ከም እተቐብአ ምስ ሰምዑ፡+ ኵሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ።+ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኪጻረሮም ወጸ። 9 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ስንጭሮ* ረፋይም ኣትዮም ይወርሩ ነበሩ።+ 10 ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ “ኣንጻር ፍልስጥኤማውያንዶ ኽድይብ፧ ንዓታቶምከ ኣብ ኢደይዶ ኽትህበኒ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሆዋ ኸኣ ንዳዊት፡ “ደይብ፡ ንዓታቶም እውን ብርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ” በሎ።+ 11 ዳዊት ድማ ናብ በዓል-ጰራጺም+ ደየበ፣ ኣብኣ ኸኣ ወቕዖም። ሽዑ፡ ዳዊት፡ “ከምቲ ማያት ዚፍንጥስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንጸላእተይ ፈንጠሶም” በለ። ስለዚ እያ እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም* እተሰምየት። 12 ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣማልኽቶም ኣብኡ ሓደጉ፣ ዳዊት ምስ ኣዘዘ ኸኣ፡ ብሓዊ ኣንደድዎም።+ 13 ፍልስጥኤማውያን ድማ ከም ብሓድሽ ኣብቲ ስንጭሮ* ወረሩ።+ 14 ዳዊት ከኣ ከም ብሓድሽ ንኣምላኽ ሓተቶ፣ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ “ብቐጥታ ደድሕሪኦም ኣይትደይብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብድሕሪኦም ዙር እሞ፡ ብመንጽር እቲ ቘጥቋጣት ባኻ እተዎም።+ 15 ኣብ ርእሲ እቲ ቘጥቋጣት ባኻ ደሃይ ዚስጕሙ ምስ ሰማዕካ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖም ቅድሜኻ ወጺኡ ኣሎ እሞ፡ ሽዑ ኣጥቅዕ” በሎ።+ 16 ዳዊት ከኣ ከምቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፣+ ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ጊብዖን ክሳብ ጌዘር+ ወቕዖም። 17 ዝና ዳዊት ከኣ ኣብ ኵለን ሃገራት ተዘርግሐ፣ የሆዋ ድማ፡ ኵሎም ኣህዛብ ብእኡ ኸም ዚርዕዱ ገበረ።+ 9 ኵሎም እስራኤላውያን ኣብ ወለዶ ተመዝገቡ፣ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ከኣ ተጻሕፉ። ይሁዳ ድማ ብሰሪ ጥልመቶም ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ተወስዱ።+ 2 እቶም ናብ ርስቶም ናብ ከተማታቶም እተመልሱ ቐዳሞት ነበርቲ፡ ገሊኦም እስራኤላውያንን ካህናትን ሌዋውያንን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* እዮም።+ 3 ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳን+ ብንያምን+ ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጡ፦ 4 ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ ወዲ ዖምሪ ወዲ ኢምሪ ወዲ ባኒ፡ ካብ ደቂ ፋሬስ+ ወዲ ይሁዳ። 5 ካብ ሺሎናውያን ድማ፡ ዓሳያ እቲ በዅርን ደቁን። 6 ካብ ደቂ ዜራሕ+ ከኣ፡ የዑኤልን 690 ካብ ኣሕዋቶምን። 7 ካብ ደቂ ብንያም ድማ፡ ሳሉ ወዲ መሹላም ወዲ ሆዳውያ ወዲ ሃሰኑኣ፡ 8 ዪብነያ ወዲ የሮሓም፡ ኤላህ ወዲ ዑዚ ወዲ ሚክሪ፡ መሹላም ወዲ ሸፋጥያ ወዲ ረዑኤል ወዲ ዪብኒያ። 9 ኣሕዋቶም ከኣ በብትውልዶም 956 እዮም። ኵሎም እዞም ሰባት እዚኦም ርእስታት ማይ ቤታቶም ነበሩ።* 10 ካብ ካህናት ድማ፡ የዳዕያ፡ የሆያሪብ፡ ያኪን፡+ 11 ዓዛርያ ወዲ ሒልቅያ ወዲ መሹላም ወዲ ጻዶቅ ወዲ መራዮት ወዲ ኣሒጡብ፡ መራሒ ቤት* እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ 12 ዓዳያ ወዲ የሮሓም ወዲ ጳሽሑር ወዲ ማልክያ፡ ማዕሳይ ወዲ ዓዲኤል ወዲ ያሕዜራ ወዲ መሹላም ወዲ መሺሌሚት ወዲ ኢመር፡ "13 ኣሕዋቶም ከኣ ርእስታት ማይ ቤታት፡ ንኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተዳለዉ 1,760 ክኢላታት ጀጋኑ። " 14 ካብ ሌዋውያን ከኣ፡ ሸማዕያ+ ወዲ ሓሹብ ወዲ ዓዝሪቃም ወዲ ሓሻብያ ኻብ ደቂ መራሪ፣ 15 ድማ ባቅባቃር፡ ሔሬስ፡ ጋላል፡ ማታንያ ወዲ ሚካ ወዲ ዚክሪ ወዲ ኣሳፍ፡ 16 ኦብድያ ወዲ ሸማዕያ ወዲ ጋላል ወዲ የዱቱን፡ በረክያ ወዲ ኣሳ ወዲ ኤልቃና፣ ንሱ ኣብ ሰፈራት ነጦፋታውያን+ ይቕመጥ ነበረ። 17 ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ ኸኣ፡ ሻሉምን ዓቁብን ጣልሞንን ኣሒማንን፡ ሓዎም ሻሉም እውን ርእሲ ነበረ፣ 18 ንሱ ድማ ክሳዕ ሽዑ ኣብታ ብምብራቕ ዘላ ኣፍ ደገ ንጉስ ነበረ።+ እዚኣቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ሰፈራት ሌዋውያን ነበሩ። 19 ሻሉም ወዲ ቆሬ ወዲ ኤብያሳፍ ወዲ ቆራሕ፡ ካብ ቤት ኣቦኡ ድማ ኣሕዋቱ እቶም ቆራሓውያን ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ሓለውቲ ማዕጾ እቲ ድንኳን ነበሩ፣ ኣቦታቶም ኣብቲ ሰፈር የሆዋ፡ ሓለውቲ መእተዊ ነይሮም እዮም። 20 ቀደም፡ ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር+ መራሒኦም ነበረ፣ የሆዋ ኸኣ ምስኡ ነበረ። 21 ዘካርያስ+ ወዲ መሸለምያ ሓላው መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ነበረ። 22 ኵሎም እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኪዀኑ እተሓርዩ፡ ቍጽሮም 212 ነበረ። ንሳቶም በብምዝገባ ወለዶኦም ኣብ ሰሰፈሮም ነበሩ።+ ዳዊትን ሳሙኤል እቲ ረኣይን+ ነዚኣቶም ኣብቲ ብእምነት ዚፍጸም ሓላፍነቶም ሸምዎም። 23 ንሳቶምን ደቆምን ኣብ ኣገልግሎት ሓለዋ እቲ ኣፍ ደገታት ቤት የሆዋ፡+ ማለት ቤት ድንኳን ነበሩ። 24 እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ብኣርባዕቲኡ ሸነኽ፡ ማለት ብምብራቕን ብምዕራብን ብሰሜንን ብደቡብን ነበሩ።+ 25 ኣሕዋቶም ከኣ ምሳታቶም ኰይኖም ኬገልግሉ፡ በብግዜኡ ኻብ ሰፈራቶም ንሸውዓተ መዓልቲ ይመጹ ነበሩ። 26 ኣብቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ሓላፍነት ኣርባዕተ ኣሕሉቕ* ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነበሩ። ንሳቶም ሌዋውያን ነበሩ፣ ኣብቲ ኽፍልታት ቤትን* መዛግብቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ድማ ሓላፍነት ነበሮም።+ 27 ኣገልግሎት ሓለዋ ናታቶም ስለ ዝነበረ፡ መፍትሕ ከኣ ብሓላፍነት ተዋሂብዎም ስለ ዝነበረ፡ ንግሆ ንግሆ እውን ነታ ቤት ይኸፍትዋ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ዙርያ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣብ በቦታኦም ይሓድሩ ነበሩ። 28 ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቕሑ ኣገልግሎት ሓላፍነት ነበሮም፣+ ኬእትውዎ ኸለዉ ኸኣ ይቘጽርዎ፡ ኬውጽእዎ ኸለዉ እውን ይቘጽርዎ ነበሩ። 29 ገሊኣቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቕሑን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ቕዱስ ኣቕሑን+ ኣብ ልዕሊ ድኹም ሓርጭን+ ወይንን+ ዘይትን+ ጻዕዳ ዕጣንን+ ዘይቲ በለሳንን+ ተሸይሞም ነበሩ። 30 ገለ ኻብቶም ደቂ ኻህናት ከኣ ቅብኢ ዘይቲ በለሳን ይገብሩ ነበሩ። 31 እቲ ንሻሉም እቲ ቆራሓዊ በዅሩ ዝዀነ ማቲትያ ድማ፡ ካብቶም ሌዋውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መቕሎ ዚስንከት ብእምነት ዚፍጸም ሓላፍነት ነበሮ።+ 32 ገለ ኻብቶም ኣሕዋቶም ቀሃታውያን ከኣ፡ ነቲ እተደራረበ እንጌራ፡*+ ሰንበት ሰንበት ኬዳልውዎ ሓላፍነት ነበሮም።+ 33 እዚኣቶም እቶም ዘመርቲ፡ እቶም ካብ ካልእ ዕዮታት ሓራ ዝዀኑ ኣብ ክፍልታት ቤት* ዝነበሩ ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያን ነበሩ፣ ከመይሲ፡ መዓልትን ለይትን ኪዓይዩ ሓላፍነት ነበሮም። 34 እዚኣቶም በብትውልዶም ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያንን ኣሕሉቕን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ። 35 ኣቦ ጊብዖን፡ የዒኤል፡ ኣብ ጊብዖን+ ይቕመጥ ነበረ። ስም ሰበይቱ ማዓካ እዩ። 36 በዅሪ ወዱ ድማ ዓብዶን እዩ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ጹርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን 37 ገዶርን ኣሕዮን ዘካርያስን ሚቅሎትን። 38 ሚቅሎት ንሺመኣም ወለደ። ኵላቶም ከኣ ኣብ ጥቓ ኣሕዋቶም ኣብ የሩሳሌም ምስ ካልኦት ኣሕዋቶም ይቕመጡ ነበሩ። 39 ኔር+ ንቂስ ወለደ፣ ቂስ ንሳኦል+ ወለደ፣ ሳኦል ንዮናታንን+ ንማልኪ-ሹዓን+ ንኣቢናዳብን+ ንኤሽበዓልን ወለደ። 40 ወዲ ዮናታን ድማ፡ መሪብ-በዓል+ እዩ። መሪብ-በዓል ንሚካ+ ወለደ። 41 ደቂ ሚካ ኸኣ፡ ጲቶንን ሜሌክን ታሕረዓን ኣሓዝን እዮም። 42 ኣሓዝ ንያዕራ ወለደ፣ ያዕራ ንዓለመትን ንዓዝማዌትን ንዚምሪን ወለደ። ዚምሪ ንሞጻ ወለደ። 43 ሞጻ ንቢንዓ ወለደ፡ ረፋያ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ። 44 ኣጼል ድማ ሽዱሽተ ደቂ ነበርዎ፣ ስማቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ዓዝሪቃም፡ ቦክሩ፡ እስማኤል፡ ሸዓርያ፡ ኦብድያ፡ ሓናን። እዚኣቶም ደቂ ኣጼል እዮም። "27 ቍጽሪ እቶም እስራኤላውያን፡ እቶም ርእስታት ማይ ቤታትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን+ እቶም ኣብ ኵሉ ኣዋርሕ ዓመት ወርሒ ወርሒ እናመጹን እናኸዱን ኣብ ኵሉ ነገር እቲ ኽፍልታት ንንጉስ ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣሕሉቖምን እዚ እዩ፣+ ኣብ ከክፍሊ ኸኣ 24,000 ነበሩ። " "2 ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ያሾበዓም+ ወዲ ዛብዲኤል ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።" 3 ካብ ደቂ ፋሬስ፡+ ንሱ ርእሲ ዅሎም ኣሕሉቕ እቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኼገልግሉ እተመደቡ ነበረ። "4 ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፍሊ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ዶዳይ+ እቲ ኣሖሓዊ+ ምስ ክፍሉ ነበረ፣ ሚቅሎት ከኣ መራሒ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።" "5 ሓለቓ እቲ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ ኼገልግል እተመደበ ሳልሳይ ጕጅለ፡ በናያ+ ወዲ የሆያዳ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።" 6 እዚ በናያ እዚ፡ እቲ ኻብቶም ሰላሳን ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላሳን ዝነበረ ጅግና እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ኽፍሉ ኸኣ፡ ወዱ ዓሚዛባድ ነበረ። "7 እቲ ራብዓይ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ዓሳሄል+ ሓው ዮኣብ+ ነበረ፣ ወዱ ዘባድያ ድማ ድሕሪኡ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ።" "8 እቲ ሓምሻይ ሓለቓ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ሻምሁት እቲ ይዝራሓዊ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።" "9 እቲ ሻድሻይ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፡ ዒራ+ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ+ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ።" "10 እቲ ሻውዓይ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ሔለጽ+ እቲ ጰሎናዊ ኻብ ኤፍሬማውያን ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።" "11 እቲ ሻምናይ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፡ ሲብካይ+ እቲ ሑሻታዊ ኻብ ዜራሓውያን+ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ።" "12 እቲ ታሽዓይ ናይታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ኣቢ-ዔዘር+ እቲ ዓናቶታዊ+ ኻብ ብንያማውያን ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።" "13 እቲ ዓስራይ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ማሃራይ+ እቲ ነጦፋታዊ ኻብ ዜራሓውያን+ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ።" "14 እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ናይታ መበል 11 ወርሒ፡ በናያ+ እቲ ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።" "15 እቲ መበል 12 ናይታ መበል 12 ወርሒ፡ ሔልዳይ እቲ ነጦፋታዊ ኻብ ዖትኒኤል ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ። " 16 መራሕቲ ነገዳት እስራኤል ድማ እዚኣቶም ነበሩ፦ ካብ ሮቤላውያን፡ ኤልዔዘር ወዲ ዚክሪ መራሒ ነበረ፣ ካብ ስምኦናውያን፡ ሸፋጥያ ወዲ ማዓካ፣ 17 ካብ ሌዊ፡ ሓሻብያ ወዲ ቄሙኤል፣ ካብ ኣሮን፡ ጻዶቅ፣ 18 ካብ ይሁዳ፡ ኤሊሁ+ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፣ ካብ ይሳኮር፡ ዖምሪ ወዲ ሚካኤል፣ 19 ካብ ዛብሎን፡ ዪሽማዕ ወዲ ኦብድያ፣ ካብ ንፍታሌም፡ የሪሞት ወዲ ዓዝሪኤል፣ 20 ካብ ኤፍሬማውያን፡ ሆሼዓ ወዲ ዓዛዝያ፣ ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ ዮኤል ወዲ ጰዳያ፣ 21 ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ጊልዓድ፡ ዒዶ ወዲ ዘካርያስ፣ ካብ ብንያም፡ ያዓሺኤል ወዲ ኣብኔር፣+ 22 ካብ ዳን፡ ዓዛርኤል ወዲ የሮሓም። እዚኣቶም መሳፍንቲ ነገዳት እስራኤል ነበሩ። 23 የሆዋ ንእስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ከም ዜብዝሖም ኣተስፍይዎም ስለ ዝነበረ፡ ዳዊት ነቶም ደቂ 20 ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ኣይቈጸሮምን።+ 24 ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ኪቘጽር ጀሚሩስ፡ ኣይወድኦን፣ ብሰሪ እዚ ድማ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል መጸ፣*+ እቲ ቝጽሪ ኸኣ ኣብ ጸብጻብ ታሪኽ ዘመን ንጉስ ዳዊት ኣይኣተወን። 25 ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ንጉስ፡+ ዓዝማዌት ወዲ ዓዲኤል ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሮርን ኣብ ከተማታትን ኣብ ኣቝሻትን ኣብ ግምብታትን ዝነበረ ማዕከናት* ድማ፡ ዮናታን ወዲ ዑዝያ ነበረ። 26 ኣብ ልዕሊ እቶም ንምድሪ ዚሓርሱ ሓረስቶት ከኣ፡ ዔዝሪ ወዲ ከሉብ ነበረ። 27 ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ሺምዒ እቲ ራማታዊ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ንማዕከናት ወይኒ ዚኸውን እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ዛብዲ እቲ ሺፍማዊ ነበረ። 28 ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ኣውልዕን ኣብ ሼፈላ+ ዝነበረ ኣእዋም ሳግላን+ ድማ፡ በዓል-ሓናን እቲ ጌደራዊ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ማዕከናት ዘይቲ ኸኣ፡ ዮኣስ ነበረ። 29 ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ሳሮን+ ዚበልዓ ዝነበራ ኸብቲ ድማ፡ ሺጥራይ እቲ ሳሮናዊ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ጐላጕል ስንጭሮ* ዝነበራ ኸብቲ ኸኣ፡ ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ነበረ። 30 ኣብ ልዕሊ እተን ኣግማል ድማ፡ ኦቢል እቲ እስማኤላዊ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ እተን ኣእዱግ ከኣ፡ የሕድያ እቲ ሜሮኖታዊ ነበረ። 31 ኣብ ልዕሊ እተን ጤለ በጊዕ ድማ፡ ያዚዝ እቲ ሃግራዊ ነበረ። ኵሎም እዚኣቶም ኣሕሉቕ ጥሪት ንጉስ ዳዊት ነበሩ። 32 ዮናታን+ ወዲ ሓዉ ንዳዊት፡ ኣማኻሪ ነበረ፣ ንሱ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብኣይን ጸሓፍን ነበረ፣ የሒኤል ወዲ ሓክሞኒ ኸኣ ንደቂ ንጉስ ይኣሊ ነበረ።+ 33 ኣሒቶፌል+ ድማ ኣማኻሪ ንጉስ ነበረ፣ ሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ ኸኣ፡ ፈታው* ንጉስ ነበረ። 34 ድሕሪ ኣሒቶፌል ድማ፡ የሆያዳ ወዲ በናያን+ ኣብያታርን+ ነበሩ፣ ዮኣብ+ ከኣ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ። 13 ዳዊት ድማ ምስ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ምስ ኵሎም መራሕትን ተማኸረ።+ 2 ዳዊት ከኣ ንዅሎም ጉባኤ እስራኤል፡ “ንዓኻትኩም ጽቡቕ እንተ መሲሉኩም፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽና እውን ቅቡል እንተ ዀይኑ፡ ናባና መጺኦም ምእንቲ ኺእከቡ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ናብ ዘለዉ ዝተረፉ ኣሕዋትናን ናብቶም ኣብ ከተማታቶም+ መምስ መጓሰዪአን ዘለዉ ኻህናትን ሌዋውያንን ንልኣኽ። 3 ንታቦት+ ኣምላኽና ኸኣ ነምጽኣዮ” በሎም። ከመይሲ፡ ብዘመን ሳኦል ኣይተገደሱሉን ነበሩ።+ 4 ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎም ነበረ እሞ፡ ኵሎም እቶም ጉባኤ ኸምኡ ኺገብሩ ተሰማምዑ። 5 ዳዊት ድማ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ንምምጻእ፡+ ካብቲ ፈለግ* ግብጺ ኽሳብ ለቦ-ሓማት* ንዝነበሩ ዅሎም እስራኤል ኣከቦም።+ 6 ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከኣ ነቲ ስሙ ዚጽውዓሉ ታቦት እቲ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል+ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኼደይብዎ፡ ናብ በዓላ፡+ ናብ ቂርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ። 7 ግናኸ፡ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንቢሮም፡+ ካብ ቤት ኣቢናዳብ ወሰድዎ፣ ዑዛን ኣሕዮን ድማ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።+ 8 ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብመሰንቆን* ብበገናን ብኸበሮን+ ብጸናጽል ሸሓንን+ ብመለኸትን+ ይጻወቱ ነበሩ። 9 ናብ ዓውዲ ኪዶን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ከብቲ ነቲ ታቦት ኪግልብጥዎ ስለ ዝበሉ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ። 10 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ዑዛ ነደደ፣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሐ ኸኣ ወቕዖ እሞ፡+ ንሱ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞተ።+ 11 ዳዊት ድማ፡ ቍጥዓ የሆዋ ፈንጢሱ ኣብ ዑዛ ስለ እተኻዕወ፡ ጐሃየ፣ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጴረጽ-ዑዛ* ትብሃል ኣላ። 12 ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፈርሆ እሞ፡ “ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ ይኽእል፧” በለ።+ 13 ዳዊት ከኣ ነቲ ታቦት ናብታ ዝነበራ ኸተማ ዳዊት ኣየምጽኦን። የግዳስ፡ ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም እቲ ጊታዊ ኸም ዚውሰድ ገበረ። 14 ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶም ነበረ፣ ኣብ ቤቱ ኸኣ ሰለስተ ወርሒ ጸንሐ፣ የሆዋ ድማ ንቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባረኸ።+ 5 ደቂ ሮቤል+ በዅሪ እስራኤል እዚኣቶም እዮም። ንሱ በዅሪ ነበረ፣ መደቀሲ ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ ግና፡+ ብዅርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተዋህበ፣+ ብዅርና ሒዙ ድማ ኣብ ወለዶ ኣይተመዝገበን። 2 ይሁዳ+ ኻብ ኣሕዋቱ እኳ እንተ በለጸ፡ መራሒ እውን ካብኡ እኳ እንተ መጸ፡+ ብዅርና ግና ናይ ዮሴፍ ኰነ። 3 ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን እዮም።+ 4 ደቂ ዮኤል፡ ሸማዕያ ወዱ፡ ጎግ ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ፡ 5 ሚካ ወዱ፡ ረኣያ ወዱ፡ በዓል ወዱ፡ 6 እቲ ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር ዝማረኾ ብኤራ ወዱ፣ ንሱ ሹም ሮቤላውያን ነበረ። 7 ኣሕዋቱ በብዓሌታቶም ኣብ ወለዶኦም እተመዝገቡ በብትውልዶም፡ የዒኤል እቲ ርእስን ዘካርያስን 8 ቤላዕ ወዲ ዓዛዝ ወዲ ሸማዕ ወዲ ዮኤልን እዮም፣ ንሱ ኣብ ዓሮዔር+ ክሳብ ኔቦን በዓል-ሜዖንን+ ይነብር ነበረ። 9 ማሎም ኣብ ምድሪ ጊልዓድ+ በዚሐን ነበራ እሞ፡ ብምብራቕ ክሳብ እቲ ኣብ ፈለግ ኤፍራጥስ+ ዘሎ መጀመርታ እቲ በረኻ ይቕመጥ ነበረ። 10 ብዘመን ሳኦል ከኣ ምስ ሃግራውያን ተዋግኡ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ቅድሚኦም ተሳዕሩ፣ ኣብ ኵላ እታ ብምብራቕ ጊልዓድ ዘላ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ። 11 ደቂ ጋድ ድማ፡ ኣብ መንጽሮም ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳብ ሳልካ+ ተቐመጡ። 12 ዮኤል ርእሲ ነበረ፣ ሻፋም ከኣ ካልኣይ፡ ያዕናይን ሻፋጥን ድማ ኣብ ባሳን። 13 ኣሕዋቶም በብማይ ቤታቶም ከኣ፡ ሚካኤልን መሹላምን ሳባን ዮራይን ያዕካንን ዚዓን ዔበርን፡ ብድምር ሸውዓተ እዮም። 14 እዚኣቶም ደቂ ኣቢሓይል ወዲ ሑሪ ወዲ ያሮዓሕ ወዲ ጊልዓድ ወዲ ሚካኤል ወዲ የሺሻይ ወዲ ያሕዶ ወዲ ቡዝ እዮም። 15 ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል ወዲ ጉኒ፡ ርእሲ ማይ ቤቶም ነበረ። 16 ንሳቶም ኣብ ጊልዓድን+ ኣብ ባሳንን+ ዓድታታን ኣብቲ መጓሰዪታት ሳሮን ክሳብ እቲ እተዘርግሑሉን ይነብሩ ነበሩ። 17 ብዘመን ዮታም+ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም*+ ንጉስ እስራኤልን፡ ኵላቶም ኣብ ወለዶ ተመዝገቡ። "18 ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፡ ኣብ ሰራዊቶም ዋላቱን ኣስያፍን ዚጾሩ፡ ቀስቲ ድማ እተዓጥቁ* 44,760 ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎም፣ ንውግእ ዝሰልጠኑ ኸኣ ነበሩ።" 19 ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያንን+ ምስ የጡርን ምስ ናፊሽን+ ምስ ኖዳብን ተዋግኡ። 20 ኪዋግእዎም ከለዉ እውን ዚረድኦም ረኸቡ፣ ሃግራውያንን ኵሎም እቶም ምሳታቶም ዝነበሩን ከኣ ኣብ ኢዶም ተዋህቡ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣብ ውግእ ኪረድኦም ተማህሊሎም ነበሩ፣ ንሱ ድማ ብእኡ ስለ እተኣመኑ ንልማኖኦም መለሰሎም።+ "21 ማሎም ከኣ ማረኹ፡—50,000 ገመልን 250,000 በጊዕን 2,000 ኣድግን፡—ከምኡ እውን 100,000 ሰባት።*" 22 እቲ ውግእ ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ተቐቲሎም ወደቑ።+ እቲኣቶም ድማ ክሳዕ ዘመን ምርኮ፡ ኣብ ቦታኦም ተቐመጡ።+ 23 ፍርቂ ነገድ ደቂ ምናሴ፡+ ኣብታ ኻብ ባሳን ክሳብ በዓል-ሄርሞንን ሰኒርን ከረን ሄርሞንን+ ዘላ ምድሪ ተቐመጡ። ንሳቶም ከኣ በዝሑ። 24 ርእስታት ማይ ቤታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ዔፌርን ዪሺዒን ኤሊኤልን ዓዝሪኤልን ኤርምያስን ሆዳውያን ያሕዲኤልን፣ ንሳቶም ሓያላት ጀጋኑን ስሙያትን ርእስታት ማይ ቤታቶምን ነበሩ። 25 ግናኸ፡ ንኣምላኽ ኣቦታቶም ጠሊሞም፡ ምስ ኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኦም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ምድሪ መንዘሩ።+ 26 ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶር፡+ (ንሱ ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር) ኣለዓዓሎ፣ ንሱ ኸኣ ነቶም ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዘበሉ ማሪኹ ወሰዶም፡ ናብቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘለውዎ ሓላሕን ሓቦርን ሃራእን ፈለግ ጎዛን ድማ ኣምጽኦም።+ 21 ሰይጣን* ከኣ ኣንጻር እስራኤል ተንስአ እሞ፡ ንዳዊት፡ ንእስራኤል ኪቘጽሮ ኣለዓዓሎ።+ 2 ዳዊት ድማ ንዮኣብን+ ንኣሕሉቕ ህዝብን፡ “ኪዱ፡ ንእስራኤል ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ዳን+ ቍጸርዎ እሞ፡ ቍጽሮም ምእንቲ ኽፈልጥ ንገሩኒ” በሎም። 3 ዮኣብ ግና፡ “የሆዋ ነቲ ህዝቢ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ! ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ኵሎም ገላዉ ጐይታይ ደይኰኑን፧ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ከምዚ ኺገብር ደልዩ፧ ስለምንታይከ ንእስራኤል ምኽንያት በደል ዚኸውን፧” በሎ። 4 ቃል ንጉስ ግና ንዮኣብ ሰዓሮ። ዮኣብ ከኣ ወጺኡ፡ ናብ ብዘላ እስራኤል ከደ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።+ "5 ዮኣብ ድማ ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ህዝቢ ንዳዊት ሃቦ። ኵሎም እስራኤል ከኣ ሰይፊ እተዓጥቁ 1,100,000 ሰባት ኰኑ፣ ይሁዳ ድማ ሰይፊ እተዓጥቁ 470,000 ሰባት ኰኑ።+" 6 ዮኣብ ንቓል ንጉስ ፈንፊንዎ ስለ ዝነበረ ግና፡+ ሌዊን ብንያምን ኣብ መንጎኦም ኣይተመዝገቡን።+ 7 እዚ ነገር እዚ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣዝዩ ኣጕሃዮ እሞ፡ ንእስራኤል ወቕዖ። 8 ዳዊት ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “እዚ ብምግባረይ ብዙሕ በዲለ እየ።+ ብዙሕ ከኣ ዓሽየ እየ እሞ፡+ ሕጂ ድማ በጃኻ ንስሕተት ጊልያኻ ይቕረ በል” በሎ።+ 9 የሆዋ ኸኣ ንጋድ+ እቲ ናይ ዳዊት ብዓል ራእይ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 10 “ኪድ እሞ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰለስተ ኣማራጺ እህበካ ኣለኹ። ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽኦስ፡ ሓዲኡ ሕረ።”’” 11 ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እትደልዮ ሕረ፦ 12 ኣብ ምድርኻ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኪኸውን፡+ ወይስ ሰይፊ ጸላእትኻ እናኣርከበካ ሰለስተ ወርሒ ብተጻረርትኻ ኽትኵስተር፡+ ወይስ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል እናኣጥፍአ+ ሰለስተ መዓልቲ ሰይፊ የሆዋ፡ ማለት ኣብዛ ምድሪ ለበዳ ኪኸውን።’+ ሕጂ ኸኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ኢለ ኸም ዝምልሰሉ ሕሰብ” በሎ። 13 ዳዊት ከኣ ንጋድ፡ “ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ። ግናኸ፡ ምሕረቱ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኣብ ኢድ የሆዋ ደኣ እውደቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይውደቕ”+ በሎ። "14 ሽዑ፡ የሆዋ ናብ እስራኤል ለበዳ ሰደደ፣+ ካብ እስራኤል ድማ 70,000 ሰባት ወደቑ።+" 15 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ መልኣኽ ሰደደላ፣ ንሱ ኼጥፍኣ ምስ በለ ግና፡ የሆዋ ነዚ ርእዩ በቲ መዓት ተጣዕሰ፣*+ ነቲ ዜጥፍእ መልኣኽ ድማ፡ “ይኣክል!+ ሕጂ ኢድካ ኣውርዳ” በሎ። መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርናን+ እቲ ይቡሳዊ+ ደው ኢሉ ነበረ። 16 ዳዊት ኣዒንቱ ምስ ኣልዓለ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማያትን ደው ኢሉ፡ ኣብ ኢዱ ዝሓዛ እተመልሐት ሰይፊ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ዘርጊሑ ረኣየ።+ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ድማ ማቕ ተኸዲኖም+ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።+ 17 ዳዊት ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “እቲ ህዝቢ ኪቝጸር ዝበልኩስ ኣነ ደይኰንኩን፧ ኣነ እየ ሓጢአ፡ ኣነ እየ በዲለ፣+ እዘን ኣባጊዕ እዚአን ግና እንታይ ገይረን፧ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ኢድካ ኣንጻረይን ኣንጻር ቤት ኣቦይን ትኹን፣ እዚ መቕዘፍቲ እዚ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኣይተምጽእ” በሎ።+ 18 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ንጋድ፡+ ንዳዊት ደዪቡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ንየሆዋ መሰውኢ ኬቕውም ኪነግሮ ነገሮ።+ 19 ዳዊት ድማ ከም ቃል እቲ ብስም የሆዋ እተዛረበ ጋድ፡ ደየበ። 20 ኦርናን ከኣ ግልጽ ኢሉ ነቲ መልኣኽ ረኣዮ፣ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቁ ድማ ተሓብኡ። ኦርናን ከኣ ስርናይ የኽይድ ነበረ። 21 ዳዊት ናብኡ ምስ መጸ፡ ኦርናን ጠሚቱ ንዳዊት ረኣዮ እሞ ብኡብኡ ኻብቲ ዓውዲ ወጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። 22 ዳዊት ከኣ ንኦርናን፡ “ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ምእንቲ ኽሰርሓሉስ፡ ቦታ እዚ ዓውዲ ሽጠለይ።* እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝመጸ መቕዘፍቲ ደው ምእንቲ ኺብል፡ ብምሉእ ዋጋ ሽጠለይ” በሎ።+ 23 ኦርናን ግና ንዳዊት፡ “ንዓኻ ውሰዶ፣ ጐይታይ ንጉስ ጽቡቕ ዝመሰሎ* ድማ ይግበር። እንሆ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ ንዕንጨይቲ ዚኸውን መኼዲ፡+ ንመስዋእቲ እኽሊ ዚኸውን ከኣ ስርናይ እህብ ኣለኹ። ኵሉ ሂበ ኣለኹ” በሎ። 24 ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርናን፡ “ኣይፋልን፡ ንየሆዋ ዝህቦስ ናትካ ዝዀነ ኣይወስድን ወይ ዋጋ ብዘይከፈልኩሉስ ዚሓርር መስዋእቲ ኣየቕርብን እየ እሞ፡ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ኽዕድጎ ኣሎኒ” በሎ።+ 25 ዳዊት ድማ ንኦርናን፡ ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን 600 ሲቃል* ወርቂ ሃቦ። 26 ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን እውን ኣቕረበ፣ ናብ የሆዋ ድማ ተማህለለ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ኻብ ሰማያት ብሓዊ መለሰሉ።+ 27 የሆዋ ድማ ነቲ መልኣኽ፡ ሰይፉ ናብ ሰገባኣ ኺመልሳ ኣዘዞ።+ 28 በታ ግዜ እቲኣ፡ ዳዊት፡ የሆዋ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ኸም ዝመለሰሉ ምስ ረኣየ፡ ኣብኡ ይስውእ ነበረ። 29 እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ማሕደር የሆዋን እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዚርከብ በሪኽ ነበረ።+ 30 ዳዊት ግና ብምኽንያት እታ ሰይፊ መልኣኽ የሆዋ ስለ እተሸበረ፡ ንኣምላኽ ምኽሪ ኺሓትቶ ኢሉ ናብ ቅድሚኡ ኪኸይድ ኣይከኣለን። 15 ንሱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ንርእሱ ኣባይቲ ሃነጸ፣ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ቦታ ኣዳልዩ፡ ድንኳን ተኸለሉ።+ 2 ሽዑ፡ ዳዊት፡ “የሆዋ ንሌዋውያን፡ ታቦት የሆዋ ኺጾሩን ወትሩ ኼገልግልዎን ሓርይዎም እዩ እሞ፡ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዘይካኦም ሓደ እኳ ኣይጹሮ” በለ።+ 3 ዳዊት ድማ ንታቦት የሆዋ ናብታ ዘዳለወሉ ቦታ ምእንቲ ኼደይቦ፡ ንዅሎም እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ኣከቦም።+ 4 ዳዊት ከኣ ንደቂ ኣሮንን+ ንሌዋውያንን+ ኣከቦም፦ 5 ካብ ቀሃታውያን፡ ኡርኤል እቲ ሓለቓን 120 ካብ ኣሕዋቱን፣ 6 ካብ መራራውያን፡ ዓሳያ+ እቲ ሓለቓን 220 ካብ ኣሕዋቱን፣ 7 ካብ ጌርሾማውያን፡ ዮኤል+ እቲ ሓለቓን 130 ካብ ኣሕዋቱን፣ 8 ካብ ደቂ ኤሊጻፋን፡+ ሸማዕያ እቲ ሓለቓን 200 ኻብ ኣሕዋቱን፣ 9 ካብ ደቂ ኬብሮን፡ ኤሊኤል እቲ ሓለቓን 80 ኻብ ኣሕዋቱን፣ 10 ካብ ደቂ ዑዚኤል፡+ ኣሚናዳብ እቲ ሓለቓን 112 ካብ ኣሕዋቱን። 11 ዳዊት ድማ ንጻዶቅን+ ንኣብያታርን+ እቶም ካህናትን ንኡርኤልን ንዓሳያን ንዮኤልን ንሸማዕያን ንኤሊኤልን ንኣሚናዳብን እቶም ሌዋውያንን ጸዊዑ፡ 12 ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያን ኢኹም። ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ፣ ታቦት የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ናብታ ዘዳለኹሉ ቦታ ኣደይብዎ። 13 ኣብቲ ቐዳማይ ግዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይጾርኩምዎ፡+ ነቲ ግቡእ ስርዓት ድማ ስለ ዘይደለናዮ፡+ ቍጥዓ የሆዋ ኣምላኽ ፈንጢሱ ኣባና ተኻዕወ።”+ 14 እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ንታቦት የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬደይብዎ ተቐደሱ። 15 እቶም ሌዋውያን ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ብቓል የሆዋ ዝኣዘዞ፡ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ዘንግታት ገይሮም ኣብ መንኵቦም ጾርዎ።+ 16 ዳዊት ከኣ ነቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን፡ ንኣሕዋቶም እቶም ዘመርቲ፡ ብናውቲ ሙዚቃ፡ ማለት ብበገናን ብመሰንቆን*+ ብጸናጽል ሸሓንን+ እናተሰነዩ ተሓጒሶም ምእንቲ ኺዝምሩ፡ ኪሸምዎም ነገሮም። 17 እቶም ሌዋውያን ድማ ንሄማን+ ወዲ ዮኤል፡ ካብ ኣሕዋቱ ኸኣ ንኣሳፍ+ ወዲ በረክያ፡ ካብ ኣሕዋቶም መራራውያን ድማ ንኤታን+ ወዲ ቁሻያ ሸምዎም። 18 ምሳታቶም ከኣ እቶም ኣብ ካልኣይ ክፋል ዝነበሩ ኣሕዋቶም፡+ ማለት ዘካርያስ፡ ቤን፡ ያዓዚኤል፡ ሸሚራሞት፡ የሒኤል፡ ዑኒ፡ ኤልያብ፡ በናያ፡ ማዓስያ፡ ማቲትያ፡ ኤሊፌለሁ፡ ሚቅኔያ፡ ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ነበሩ። 19 ሄማንን+ ኣሳፍን+ ኤታንን እቶም ዘመርቲ፡ ብጸናጽል ሸሓኒ ነሓሲ ይጻወቱ ነበሩ፣+ 20 ዘካርያስን ዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤልያብን ማዓስያን በናያን ከኣ ብዓለሞት*+ ብእተቓነየ በገና ይጻወቱ ነበሩ፣ 21 ማቲትያን+ ኤሊፌለሁን ሚቅኔያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ኣለይቲ ዀይኖም ብሸሚኒት*+ ብእተቓነየ መሰንቆ ይጻወቱ ነበሩ። 22 ከናንያ+ እቲ ሓለቓ ሌዋውያን ከኣ ክኢላ ነበረ እሞ፡ ንጕዕዞ ይቈጻጸር ነበረ፣ 23 በረክያን ኤልቃናን ድማ ሓለውቲ ኣፍ ደገ እቲ ታቦት ነበሩ። 24 ሸባንያን ዮሳፋጥን ናትናኤልን ዓማሳይን ዘካርያስን በናያን ኤልዔዘርን እቶም ካህናት ከኣ ኣብ ቅድሚ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዓው ኣቢሎም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፣+ ዖቤድ-ኤዶምን የሒያን እውን ሓለውቲ ኣፍ ደገ እቲ ታቦት ነበሩ። 25 ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ኣሕሉቕ ሽሕን ድማ ንታቦት ኪዳን የሆዋ ኻብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም+ ብሓጐስ ኬደይብዎ ይኸዱ ነበሩ።+ 26 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቶም ንታቦት ኪዳን የሆዋ ዝጾሩ ሌዋውያን ምስ ሓገዞም፡ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ሰውኡ።+ 27 ዳዊት ድማ ብቕጭን ዓለባ እተገብረ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ተኸዲኑ ነበረ፣ ኵሎም እቶም ነቲ ታቦት ዝጾሩ ሌዋውያንን እቶም ዘመርትን ከናንያ እቲ ሓለቓ ጕዕዞን ዘመርትን እውን ከምኡ ተኸዲኖም ነበሩ፣ ዳዊት ከኣ ኤፎድ በፍታ እውን ተኸዲኑ ነበረ።+ 28 ኵሎም እስራኤላውያን ንታቦት ኪዳን የሆዋ ብእልልታ፡+ ብደሃይ ቀርኒ፡ ብመለኸት፡+ ብጸናጽል ሸሓኒ፡ በገናን መሰንቆን+ ድማ ብድሙቕ እናወቕዑ ኣደየብዎ። 29 ታቦት ኪዳን የሆዋ ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ ግና፡+ ሚካል+ ጓል ሳኦል ብመስኰት ኣንቈልቊላ ጠመተት እሞ፡ ንጉስ ዳዊት ኪሰራሰርን ኪጻወትን ርእያ፡ ብልባ ነዓቐቶ።+ 22 ዳዊት ድማ፡ “እዚኣ ቤት የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እያ፣ እዚ ኸኣ ንእስራኤል ንዚሓርር መስዋእቲ መሰውኢ ይኹን” በለ።+ 2 ዳዊት ድማ፡ እቶም ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ ጓኖት ኪእከቡ ኣዘዘ፣+ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምህናጽ ዚኸውን ኣእማን ኪወቕሩን ኪቐርጹን መደቦም።+ 3 ዳዊት ከኣ ንመዓጹ ኣፍ ደገታት ንዚኸውን መሳምርን ንመቐርቀርን ብዙሕ ሓጺን፡ ከምኡ እውን ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኺምዘን ዘይተኻእለ ነሓሲ ኣዳለወ፣+ 4 ሲዶናውያንን+ ጢሮሳውያንን+ ብዙሕ ኣዕጫው ቄድሮስ+ ኣምጺኦምሉ ነበሩ እሞ፡ ኣዕጫው ቄድሮስ እውን ቍጽሪ ዘይብሉ ኣዳለወ። 5 ዳዊት ድማ፡ “ሰሎሞን ወደይ ንእሽቶን ዘይምኩርን* እዩ፣+ እታ ንየሆዋ እትህነጸሉ ቤት ግና ዝናኣን ጽባቐኣን+ ኣብ ኵለን ሃገራት ክትፍለጥሲ፡+ ኣዝያ ዓባይ ክትከውን ኣለዋ።+ ስለዚ፡ ከዳልወሉ እየ” በለ። ዳዊት ከኣ ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ነገር ኣዳለወ። 6 ንወዱ ሰሎሞን ጸዊዑ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሃንጸሉ ኣዘዞ። 7 ዳዊት ከኣ ንወዱ ሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “ኣነስ ንስም የሆዋ ኣምላኸይ ቤት ክሃንጽ ብልበይ ተመንየ ነይረ።+ 8 ግናኸ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጺኡኒ፦ ‘ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፡ ዓበይቲ ውግእ ድማ ተዋጊእካ ኢኻ። ንስኻ ኣብ ቅድመይ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሃንጽን ኢኻ።+ 9 እንሆ፡ ናይ ሰላም* ሰብ ዝዀነ ወዲ ኺውለደልካ እዩ፣+ ኣነ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ኵሎም ጸላእቱ ዕረፍቲ ኽህቦ እየ፣+ ስሙስ ሰሎሞን*+ ኪብሃል እዩ፣ ብዘመኑ ድማ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ።+ 10 ንሱ ንስመይ ቤት ኪሃንጽ እዩ።+ ንሱ ወደይ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ እውን ኣቦኡ ክኸውን እየ።+ ዝፋን ንግስናኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።’+ 11 “ሕጂ ድማ ወደየ፡ የሆዋ ምሳኻ ይኹን፡ ይቕናዕካ እውን፣ ከምቲ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ኸኣ፡ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ህነጽ።+ 12 ሓንትስ ሕጊ የሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትሕሉ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስልጣን ኪህበካ ኸሎ፡ ምስትውዓልን ኣእምሮን ይሃብካ።+ 13 ሽዑ፡ እቲ የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤል ኪህቦ ዝኣዘዞ ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻ፡+ ኪቐንዓካ እዩ።+ ትባዕን በርትዕን። ኣይትፍራህን ኣይትሸበርን።+ "14 እንሆ፡ ኣነ ብኽንደይ መከራ ንቤት የሆዋ ዚኸውን 100,000 ታለንት* ወርቅን 1,000,000 ታለንት ብሩርን፡ ከምኡ ድማ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኺምዘን ዘይከኣል ነሓስን ሓጺንን ኣዳልየ ኣለኹ፣+ ኣዕጫውን ኣእማንን እውን ኣዳልየ ኣለኹ፣+ ንስኻ ኸኣ ክትውስኸሉ ኢኻ።" 15 ብዙሓት ዓየይቲ፡ ማለት ወቐርቲ እምንን ነደቕትን+ ጸረብትን ኵሎም ዓይነት ክኢላታት ዓየይትን+ ምሳኻ ኣለዉ። 16 እቲ ወርቅን ብሩርን ነሓስን ሓጺንን ከኣ ቍጽሪ የብሉን።+ ተንስእ እሞ ስራሕ፡ የሆዋ ድማ ምሳኻ ይኹን።”+ 17 ዳዊት ከኣ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ንወዱ ሰሎሞን ኪሕግዝዎ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 18 “የሆዋ ኣምላኽኩምዶ ምሳኻትኩም የሎን፧ ኣብ ዙርያኹምከ ዕረፍቲዶ ኣይሃበኩምን፧ ንነበርቲ እዛ ምድርስ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ኣሎ፡ እዛ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቡን ተገዚኣ እያ። 19 ሕጂ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ክትደልይዎ ብዅሉ ልብኹምን ነፍስኹምን* ቍረጹ፣+ ታቦት ኪዳን የሆዋን ቅዱስ ኣቕሑ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናብታ ንስም የሆዋ እትህነጽ ቤት ምእንቲ ኺመጽእ ከኣ፡+ ምህናጽ መቕደስ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጀምሩ።”+ 17 ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ+ ነገሰ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እውን ስልጣኑ ኣደልደለ። 2 ኣብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ኸኣ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ድማ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ።+ 3 ዮሳፋጥ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ስለ እተመላለሰን+ ንበዓላት ስለ ዘይደለዮምን፡ የሆዋ ምስኡ ነበረ። 4 ንሱስ ንኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡+ ብትእዛዙ እውን ተመላለሰ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይተመላለሰን።+ 5 የሆዋ ኸኣ ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፣+ ኵሎም ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ህያባት ይህብዎ ነበሩ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ ሃብትን ክብርን ከኣ ነበሮ።+ 6 ልቡ ድማ ብመገድታት የሆዋ ተብዐ፣ ነቲ በረኽትን+ ኣዕኑድ ኣምልኾን*+ እውን ካብ ይሁዳ ኣወገዶ። 7 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስናኡ ኸኣ ንመሳፍንቱ ቤን-ሓዪልን ኦብድያን ዘካርያስን ናትናኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኺምህሩ ሰደዶም። 8 ምሳታቶም ድማ ሌዋውያን፡ ማለት ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ-ኣዶንያን ነበሩ፣ ምሳታቶም እውን ኤሊሻማዕን ዮራምን እቶም ካህናት ነበሩ።+ 9 መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ምሳታቶም ወሲዶም፡ ኣብ ይሁዳ መሃሩ፣+ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ፡ ንህዝቢ ይምህሩ ነበሩ። 10 ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት እተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ፡ ራዕዲ የሆዋ ዀነ፣ ምስ ዮሳፋጥ ከኣ ኣይተዋግኡን። "11 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንዮሳፋጥ ህያባት ኣምጽኡሉ፡ ገንዘብ እውን ገበሩሉ። ኣዕራብ ከኣ ካብ መጓሰኦም 7,700 ድዑልን 7,700 ድቤላን ኣምጽኡሉ። " 12 ዮሳፋጥ ድማ እናዓበየ ኸደ፣+ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዕርድታትን+ ከተማታት መኽዘንን+ ሰርሐ። 13 ኣብ ከተማታት ይሁዳ ድማ ሰፊሕ ዕዮታት ዓየየ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተዋጋእትን ሓያላት ጀጋኑን ነበርዎ። "14 እዚኣቶም በብማይ ቤቶም ተጐጂሎም ነበሩ፦ ናይ ይሁዳ ኣሕሉቕ ሽሕ፡ ዓድናሕ እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ 300,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።+" "15 ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ 280,000 ነበሩ።" "16 ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ እውን እቲ ብፍታዉ ንየሆዋ ዜገልግል ዓማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ድማ 200,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።" "17 ካብ ብንያም+ ከኣ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡ ድማ ቀስትን ዋልታን እተዓጥቁ 200,000 ነበሩ።+" "18 ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ የሆዛባድ፡ ምስኡ ድማ ኣብ ሰራዊት ኪዀኑ እተዓጥቁ 180,000 ነበሩ።" 19 ብዘይ እቶም ንጉስ ኣብተን እተዓርዳ ኸተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ንንጉስ ዜገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም።+ 30 ህዝቅያስ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ፋስጋ ምእንቲ ኼብዕሉ ናብ ቤት የሆዋ ናብ የሩሳሌም ኪመጹ፡+ ናብ ኵሎም እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፣+ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን+ እውን ከይተረፈ ደብዳበ ጸሓፈ። 2 ግናኸ፡ ንጉስን መሳፍንቱን ብዘሎ ጉባኤ የሩሳሌምን፡ ነቲ ፋስጋ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ ኺብዓል ወሰኑ፣+ 3 ከመይሲ፡ እኹላት እተቐደሱ ኻህናት ስለ ዘይነበሩን+ እቲ ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ ኣብቲ ስሩዕ ግዜ ኼብዕልዎ ኣይከኣሉን ነበሩ።+ 4 እዚ መሰናድዎ እዚ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስን ኣብ ኣዒንቲ ብዘሎ እቲ ጉባኤን ቅኑዕ ነበረ። 5 ከምቲ እተጻሕፈ ገይሮም ብጕጅለ ኣየብዓልዎን ነበሩ እሞ፡+ እቶም ህዝቢ መጺኦም ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሎም፡ ኣብ ብዘላ እስራኤል፡ ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ዳን፡+ ኪእወጅ ወሰኑ። 6 እቶም መልእኽተኛታት* ድማ ካብ ንጉስን መሳፍንቱን ደብዳበታት ሒዞም ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ወጹ፣ ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ኸኣ ከምዚ በሉ፦ “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንሱ ናብቶም ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ዘምለጡ ተረፍ ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን ተመለሱ።+ 7 ከምቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ዝጠለምዎ እሞ፡ ከምዚ እትርእይዎ ዘለኹም መሰክሒ ዝገበሮም ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ።+ 8 ሕጂ ድማ፡ ከም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኣይትኹኑ።+ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኺምለስ፡+ ንየሆዋ ኢድኩም ሃቡ፡ ናብታ ንዘለኣለም ዝቐደሳ መቕደሱ ኸኣ ምጹ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽኩም እውን ኣገልግልዎ። 9 ናብ የሆዋ እንተ ተመሊስኩምሲ፡ ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ብማረኽቶም ኪምሓሩ እዮም፡+ ናብዛ ምድሪ ኺምለሱ እውን ኪፍቀደሎም እዩ፣+ የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ርሕሩሕን* መሓርን እዩ፣+ ንስኻትኩም ናብኡ እንተ ተመሊስኩም ድማ፡ ንሱ ገጹ ኻባኻትኩም ኣይኪመልስን እዩ።”+ 10 እቶም መልእኽተኛታት* ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፡+ ክሳብ ዛብሎን፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ሓለፉ፣ እቶም ህዝቢ ግና ሰሓቕዎምን ኣላገጹሎምን።+ 11 ካብ ኣሴርን ካብ ምናሴን ካብ ዛብሎንን ግና ገሊኦም ሰባት ርእሶም ኣትሒቶም ናብ የሩሳሌም መጹ።+ 12 እቲ ንጉስን መሳፍንትን ብቓል የሆዋ ዝኣዘዝዎ ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ፡ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓደ ልቢ ኽትህቦም ኣብ ይሁዳ ነበረት። 13 ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ+ ድማ በዓል ቅጫ ኼብዕል ኢሉ፡+ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ የሩሳሌም ተኣከበ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ጉባኤ ኸኣ ነበረ። 14 ተንሲኦም ድማ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበረ መሰውኢታት ኣርሓቑ፣+ ንዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ኣርሒቖም+ ከኣ ናብ ስንጭሮ ቄድሮን ደርበይዎ። 15 ድሕርዚ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ሓረዱ። እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፣ ተቐዲሶም ከኣ ዚሓርር መስዋእቲ ናብ ቤት የሆዋ ኣምጽኡ። 16 ከምቲ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ ኣብ በቦታኦም ደው በሉ፣ እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ደም ካብ ኢድ እቶም ሌዋውያን ተቐቢሎም ነጸጉ።+ 17 ኣብቲ ጉባኤ ብዙሓት ዘይተቐደሱ ነበሩ፣ እቶም ሌዋውያን ድማ ንዅሎም እቶም ዘይነጽሁ ዘበሉ፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኪቕደሱ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ይሓርዱሎም ነበሩ።+ 18 ከመይሲ፡ ብዙሓት ካብቲ ህዝቢ፡ ምናዳ ኻብ ኤፍሬምን ምናሴን+ ይሳኮርን ዛብሎንን፡ ዘይነጽሁ ኽነሶም፡ ነቲ ጽሑፍ ጥሒሶም፡ ፋስጋ በልዑ። ህዝቅያስ ግና ከምዚ ኢሉ ምእንታኦም ጸለየ፦ “እቲ ሕያዋይ የሆዋ+ 19 ነቲ ኸምቲ ስርዓት ቅድስና ዘይነጽሀ ኽነሱ+ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ኺደሊ ልቡ ዘዳለወ ዘበለ ዅሉ ይሕደገሉ።”+ 20 የሆዋ ኸኣ ንህዝቅያስ ሰሚዑ፡ ነቲ ህዝቢ ይቕረ በለሉ።* 21 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ፡ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብዓብዪ ሓጐስ ኣብዓሉ፣+ እቶም ሌዋውያንን እቶም ካህናትን ከኣ መዓልቲ መዓልቲ ናውቶም ዓው ኣቢሎም ንየሆዋ እናወቕዑሉ፡ ንየሆዋ ይውድስዎ ነበሩ።+ 22 ህዝቅያስ ድማ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ብምስትውዓል ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሌዋውያን ተዛረቦምን ኣተባብዖምን።* ንሳቶም ከኣ መስዋእቲ ሕብረት እናሰውኡን+ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም እናኣመስገኑን፡ ኣብ ብዘሎ እቲ በዓል፡ ሸውዓተ መዓልቲ በልዑ።+ 23 ኵሎም እቶም ጉባኤ ኸኣ ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ኼብዕሉ ወሰኑ፣ ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብዓሉ።+ "24 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ነቶም ጉባኤ 1,000 ዝራብዕን 7,000 በጊዕን ሃቦም፣ እቶም መሳፍንቲ ድማ ነቶም ጉባኤ 1,000 ዝራብዕን 10,000 በጊዕን ሃብዎም፣+ ብዙሓት ካህናት እውን ተቐደሱ።+" 25 ኵሎም እቶም ጉባኤ ይሁዳን እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ ጉባኤን+ እቶም ካብ ምድሪ እስራኤል ዝመጹን ኣብ ይሁዳ ዚነብሩን ጓኖትን+ ይሕጐሱ ነበሩ። 26 ካብ ዘመን ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ኣትሒዙ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይተገብረን ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።+ 27 እቶም ሌዋውያን ካህናት ከኣ ደው ኢሎም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፣+ ኣምላኽ ድማ ድምጾም ሰምዐ፡ ጸሎቶም እውን ኣብታ ቕድስቲ ማሕደሩ፡ ኣብ ሰማያት በጽሐ። 35 ዮስያስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ንየሆዋ ፋስጋ ኣብዓለ፣+ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ+ ኸኣ መስዋእቲ ፋስጋ ሓረዱ።+ 2 ንሱ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ ዕዮኦም መደቦም፡ ኣብ ቤት የሆዋ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ እውን ኣተባብዖም።+ 3 ነቶም መምህራን ኵሉ እስራኤል ዝዀኑ ንየሆዋ እተቐደሱ ሌዋውያን+ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ነቲ ቕዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝሃነጻ ቤት ኣንብርዎ፣+ ደጊም ኣብ መንኵብኩም ኣይክትጾርዎን ኢኹም።+ ሕጅስ ንየሆዋ ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም። 4 ነቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ወዱ ሰሎሞንን ዝጸሓፍዎ ስዒብኩም ከኣ፡ በብማይ ቤትኩም በብኽፍልኹም ተዳለዉ።+ 5 በብማይ ቤት ኣሕዋትኩም እቶም ዝተረፉ ህዝቢ፡* በብጕጅለ ማይ ቤት ሌዋውያን፡ ተጐጂልኩም ኣብቲ መቕደስ ደው በሉ። 6 መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ሕረዱ፡+ ተቐደሱ፣ ኣሕዋትኩም ከምቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ቓል የሆዋ ኺገብሩ ኸኣ ኣዳልውዎም።” "7 ዮስያስ ድማ ነቲ ህዝቢ፡ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ዘበሉ፡ ካብ መጓሰ ብድምር 30,000 ገንሸልን* ወጠጦን 3,000 ከብትን ሃቦም። እዚ ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚኸውን ኰይኑ፡ ካብ ጥሪት ንጉስ ነበረ።+" "8 መሳፍንቱ እውን ነቲ ህዝብን ነቶም ካህናትን ነቶም ሌዋውያንን፡ መስዋእቲ ፍታው ዚኸውን ሃብዎም። ሒልቅያን+ ዘካርያስን የሒኤልን እቶም መራሕቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ነቶም ካህናት 2,600 መስዋእቲ ፋስጋን 300 ከብትን ሃብዎም።" "9 ኮናንያን ኣሕዋቱ ሸማዕያን ናትናኤልን፡ ምስቶም ሓሻብያን የዒኤልን ዮዛባድን ዚብሃሉ ኣሕሉቕ ሌዋውያን ኰይኖም፡ ንሌዋውያን 5,000 መስዋእቲ ፋስጋን 500 ኸብትን ሃብዎም። " 10 እቲ ኣገልግሎት ከኣ ተዳለወ፣ ከምቲ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞም ድማ፡ እቶም ካህናት ኣብ ቦታኦም፡ እቶም ሌዋውያን እውን በብኽፍሎም ደው በሉ።+ 11 መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ሓረዱ፣+ እቶም ሌዋውያን ነቶም እንስሳታት ኪጠብሑ ኸለዉ ኸኣ፡+ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካባታቶም ተቐቢሎም ነጸግዎ።+ 12 እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኸምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጻሒፉ ዘሎ ዀይኑ ንየሆዋ ምእንቲ ኪቐርብ ድማ፡ ነቶም በብማይ ቤት እተጐጀሉ ዝተረፉ ህዝቢ ምእንቲ ኺዕድልዎ ኣዳለውዎ፣ ነቶም ከብቲ እውን ከምኡ ገበርዎም። 13 ነቲ መስዋእቲ ፋስጋ ድማ ከምቲ ልምዲ ኣብ ሓዊ ኣብሰልዎ፣*+ ነቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኸኣ ኣብ ቍራዓትን ኣብ ዓበይቲ ቝራዓትን ኣብ መቕሎታትን ኣብሲሎም፡ ቀልጢፎም ናብ ኵሉ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣምጽእዎ። 14 ድሕሪኡ፡ ንርእሶምን ንኻህናትን ኣዳለዉ፣ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ክሳዕ ለይቲ ዚሓርር መስዋእትን ስብሕን ይስውኡ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ሌዋውያን ንርእሶምን ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮንን ኣዳለዉ። 15 እቶም ዘመርቲ ደቂ ኣሳፍ ድማ፡+ ከም ትእዛዝ ዳዊትን+ ኣሳፍን+ ሄማንን የዱቱን+ እቲ ናይ ንጉስ ብዓል ራእይን ኣብ በቦታኦም ነበሩ፣ እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ ኣፍ ደገታት ነበሩ።+ ኣሕዋቶም እቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኬልግሱ ኣየድልዮምን ነበረ። 16 ከም ትእዛዝ ንጉስ ዮስያስ ድማ፡+ ፋስጋ ኺብዓልን+ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የሆዋ ኪቐርብን በታ መዓልቲ እቲኣ ዅሉ ኣገልግሎት የሆዋ ተዳለወ። 17 እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያን ከኣ በታ ግዜ እቲኣ ፋስጋ ኣብዓሉ፣ በዓል ቅጫ እውን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዓሉ።+ 18 ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ኣትሒዙ፡ ኣብ እስራኤል ከምኡ ዝበለ ፋስጋ ኣይተባዕለን፣ ካብ ነገስታት እስራኤል፡ ከምቲ ዮስያስን እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ኣብኡ እተረኽቡ ይሁዳን እስራኤልን ነበርቲ የሩሳሌምን ዝገበርዎ ገይሩ ፋስጋ ዘብዓለ ሓደ እኳ የልቦን።+ 19 እዚ ፋስጋ እዚ፡ ኣብ መበል 18 ዓመት ንግስና ዮስያስ ተባዕለ። 20 ድሕሪ እዚ ዅሉ፡ ዮስያስ ነታ ቤተ መቕደስ* ምስ ኣዳለዋ፡ ኔኮ+ ንጉስ ግብጺ ኣብ ከርከሚሽ ጥቓ ኤፍራጥስ ኪዋጋእ ደየበ። ዮስያስ ከኣ ኪጻረሮ ወጸ።+ 21 ንሱ ድማ፡ “ኦ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ምሳኻ እንታይ ኣለዎ፧ ውግአይ ምስ ካልእ ቤት ደኣ እዩ እምበር፡ ሎሚ ናባኻ ኣይኰንኩን ዝመጽእ ዘለኹ፣ ኣምላኽ ድማ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ እዩ። ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ ነቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምጽራር ሕደግ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ኬጥፍኣካ እዩ” ኢሉ ልኡኻት ለኣኸሉ። 22 ዮስያስ ግና ካብኡ ኣይተመልሰን፣ የግዳስ፡ ምስኡ ኺዋጋእ ትርኢቱ ለወጠ፣+ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጸ ቓል ኔኮ ኸኣ ኣይሰምዖን። ኣብ ጐልጐል መጊዶ ድማ ኪዋጋእ መጸ።+ 23 ቀስተኛታት ከኣ ንንጉስ ዮስያስ ወግእዎ፣ ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ “ብብርቱዕ ቈሲለ እየ እሞ፡ ካብዚ ኣውጽኡኒ” በሎም። 24 ገላዉኡ ኸኣ ካብቲ ሰረገላ ኣውሪዶም ኣብ ካልኣይ ሰረገላ ኣደይቦም ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ። በዚ ኸምዚ ሞተ፡ ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ኸኣ ተቐብረ፣+ ኵሎም ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ንዮስያስ ሓዘኑሉ። 25 ኤርምያስ+ ከኣ ንዮስያስ ኣልቀሰሉ፣ ኵሎም እቶም ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዘመርቲ+ ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ልቕሶኦም ብዛዕባ ዮስያስ የልቅሱ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪልቀስ ወሰኑ፣ ኣብ ልቕሶታት ድማ ተጻሒፉ ኣሎ። 26 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮስያስን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ ተጻሒፉ ዘሎ ብተኣማንነት ብዘርኣዮ ፍቕሪ ዝገበሮ ግብርታትን 27 እቲ ዝገበሮን፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 31 እዚ ዅሉ ምስ ተወድአ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያን ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጺኦም፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ቘረጹ፡+ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን+ ድማ ጠሪሶም ክሳዕ ዜጥፍእዎ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፍረሱ።+ ድሕሪኡ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ከተማታቶም ተመልሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ርስቱ ተመልሰ። 2 ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ ክፍልታቶም፡+ ነቶም ሌዋውያን እውን ኣብ ክፍልታቶም፡+ እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣኣገልግሎቶም፡+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኬቕርቡ፡ ኬገልግሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ኣጸዳት* የሆዋ እውን ኬመስግኑን ኪውድሱን ሸሞም።+ 3 ካብ ጥሪት ንጉስ ድማ ሓደ ግደ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ እተጻሕፈ፡ ነቲ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን+ ዚሓርር መስዋእትን+ ነቲ ኣብ ሰናብትን+ ኣብ ሰርቅታት ወርሕን+ ኣብ በዓላትን+ ዚቐርብ ዚሓርር መስዋእትን ኪኸውን ተዋህበ። 4 ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ፡ ንኻህናትን ንሌዋውያንን፡ ኣብ ሕጊ የሆዋ ምእንቲ ኺጸንዑ፡* ግዲኦም ኪህብዎም ኣዘዞም።+ 5 እዚ ትእዛዝ ምስ ወጸ፡ እስራኤላውያን ካብ ፍረ እኽልን ካብ ጕዕሽ ወይንን ካብ ዘይትን+ ካብ መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ግራትን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፣+ ዕሽር ኵሉ ኸኣ ብብዝሒ ኣምጽኡ።+ 6 እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ድማ፡ ዕሽር ከብትን ኣባጊዕን ዕሽር እቲ ንየሆዋ ኣምላኾም ዝቐደስዎ ቕዱስ ነገራትን ኣምጽኡ።+ ኣምጺኦም ከኣ ብዙሕ ኵምራታት ገበርዎ። 7 ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ+ መባኦም ኪዅምሩ ጀመሩ፣ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ድማ ወድኡ። 8 ህዝቅያስን እቶም መሳፍንትን መጺኦም ነቲ ዅምራታት ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ንየሆዋ ወደስዎ፡ ንህዝቡ እስራኤል እውን መረቕዎ። 9 ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ነቶም ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዅምራታት ሓተቶም። 10 እቲ ኻብ ቤት ጻዶቅ ዝዀነ ዓዛርያ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ “መባእ ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ ኻብ ዝጀመሩሉ ግዜ ኣትሒዙ፡+ እቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዚጸግቡ በሊዖም፡ ገና ብዙሕ ተረፍ እውን ኣሎ። የሆዋስ ንህዝቡ ባሪኽዎ ኣሎ፣ እዚ ኣዝዩ ብዙሕ እውን ተረፍ እዩ” በሎ።+ 11 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ኣብ ቤት የሆዋ መኽዘናት* ኬዳልዉ ኣዘዞም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣዳለዉ። 12 መባእን ዕሽርን+ ቅዱስ ነገራትን ድማ ብተኣማንነት ኣምጽኡ፣ ኮናንያ እቲ ሌዋዊ ድማ ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ተቘጻጻሪ ዀይኑ ነበረ፣ ሓዉ ሺምዒ ኸኣ ካልኣዩ ነበረ። 13 የሒኤልን ዓዛዝያን ናሓትን ዓሳሄልን የሪሞትን ዮዛባድን ኤሊኤልን ይስማክያን ማሓትን በናያን ድማ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ህዝቅያስ ንኮናንያን ንሓዉ ሺምዒን ዚሕግዙ ሰብ መዚ ነበሩ፣ ዓዛርያ ኸኣ ተቘጻጻሪ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነበረ። 14 ቆሬ ወዲ ዪምና፡ እቲ ሓላው እታ ብምብራቕ ዘላ ኣፍ ደገ ዝዀነ ሌዋዊ፡+ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ ፍታው+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነበረ፣ ነቲ ንየሆዋ እተዋህበ መባእን+ ነቲ ቕዱስ ቅዱሳንን+ ድማ ይዕድል ነበረ። 15 ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ኸኣ፡ ኤደንን ሚንያሚንን እያሱን ሸማዕያን ኣማርያን ሸካንያን፡ ነቶም ኣብ ክፍልታቶም+ ዘለዉ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ኣሕዋቶም ብማዕረ ምእንቲ ኺዕድሉ፡ ኣብ ከተማታት ካህናት፡+ ኣብቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ሓላፍነቶም ነበሩ። 16 እዚ ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ነቶም ኣብ ምዝገባ ወለዶ እተዘርዘሩ ኻብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤት የሆዋ ኼገልግሉ ዚመጹን ዕዮታት ክፍልታቶም ዚፍጽሙን ዚግበር ዕደላ እዩ። 17 እቲ ምዝገባ ወለዶ ኻህናት ከኣ በብማይ ቤቶም+ ነበረ፣ ናይቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሌዋውያን እውን፡+ በብዕዮ ኽፍልታቶም ነበረ።+ 18 ብምኽንያት እቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ሓላፍነቶም ነቲ ቕዱስ ዘበለ ተቐዲሶም ነበሩ እሞ፡ እቲ ምዝገባ ወለዶ ንዅሎም ቈልዑኦምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ኰታስ ንብዘሎ ጉባኤኦም የጠቓልል ነበረ። 19 ነቶም ኣብ ከባቢ ኸተማታቶም ኣብ ዘሎ መጓሰዪ ዚኸውን ግራውቲ ዚነብሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን እውን የጠቓልል ነበረ።+ ካብ ካህናት ተባዕታይ ንዘበለን ካብ ሌዋውያን ኣብ ምዝገባ ወለዶ ንዝኣተወ ዘበለን ገግዲኦም ኪህብዎም ድማ፡ ኣብ ኵለን ከተማታት በብስሞም እተሰምዩ ሰባት ነበሩ። 20 ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ብዘሎ ይሁዳ እዚ ገበረ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኹ ድማ ጽቡቕን ቅኑዕን እሙንን ዘበለ ገበረ። 21 ምስ ኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ዚተሓሓዝ ነገር+ ኰነ ኣብ ሕግን ትእዛዝን፡ ንዅሉ እቲ ንኣምላኹ ኺደልዮ ኢሉ ዝገበሮ ዕዮ ብምሉእ ልቡ ገበሮ፡ ቀንዖ እውን። 18 ዮሳፋጥ ድማ ኣኺሉ ዚተርፍ ሃብትን ክብርን ነበሮ፣+ ምስ ኣከኣብ ከኣ ተዋሰበ።+ 2 ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ናብ ኣከኣብ ናብ ሰማርያ ወረደ፣+ ኣከኣብ ከኣ ንዕኡን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ከብትን ሰውኣሎም። ምስኡ ኣንጻር ራሞት-ጊልዓድ+ ኪድይብ ድማ ሓባበሎ። 3 ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ “ናብ ራሞት-ጊልዓድ ምሳይዶ ትኸይድ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ኸማኻ እየ፣ ህዝበይ ከኣ ከም ህዝብኻ እዩ፣ ኣብ ውግእ እውን ክድግፈካ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 4 ግናኸ፡ ዮሳፋጥ ንንጉስ እስራኤል፡ “በጃኻ፡ ቅድም ቃል የሆዋ ሕተት” በሎ።+ 5 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት ዝዀኑ 400 ሰባት ኣኪቡ፡ “ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣዶ ኽንከይድ፡ ወይስ ክሓድጎ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ደይብ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ” በሉ። 6 ዮሳፋጥ ከኣ፡ “እንሓትቶ ነብዪ የሆዋዶ ኣብዚ የልቦን፧+ ብእኡ ኣቢልና እውን ንሕተት” በለ።+ 7 ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ “ገና ብእኡ ኣቢልና ንየሆዋ ኽንሓትቶ እንኽእል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ብዛዕባይ ወትሩ ኽፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ እሞ፡+ እጸልኦ እየ። ንሱ ሚካያ ወዲ ዪምላ እዩ” በሎ። ዮሳፋጥ ግና፡ “ንጉስ ከምኡ ኣይበል” በለ። 8 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ጸዊዑ፡ “ንሚካያ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ” በሎ።+ 9 ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ዘዝፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ፣ ኣብቲ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ሰማርያ ዘሎ ዓውዲ ድማ ተቐሚጦም ነበሩ፣ ኵሎም እቶም ነብያት እውን ኣብ ቅድሚኦም ይንበዩ ነበሩ። 10 ጼዴቅያስ ወዲ ከናዓና ድማ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዚጸንቱ በዚኣተን ክትወግኦም* ኢኻ’” በለ። 11 ኵሎም እቶም ነብያት እውን ከምኡ፡ “ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ። 12 እቲ ንሚካያ ኺጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ “እንሆ፡ እቶም ነብያት ብሓደ ዀይኖም ንንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ። በጃኻ፡ ዘረባኻ ኸም ናታቶም ይኹን፡+ ጽቡቕ ድማ ተዛረብ” በሎ።+ 13 ሚካያ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ እቲ ኣምላኸይ ዚብሎ እየ ዝዛረብ” በለ።+ 14 ናብ ንጉስ ከኣ መጸ፣ ንጉስ ድማ፡ “ሚካያ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣዶ ኽንከይድ፡ ወይስ ክሓድጎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ብቕጽበት፡ “ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ኢድኩም ኪውሃቡ እዮም” ኢሉ መለሰ። 15 ንጉስ ከኣ፡ “ብስም የሆዋ ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ከይትዛረበኒ ኽንደይ ሳዕ እየ ኸምሕለካ፧” በሎ። 16 ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኵሎም እስራኤላውያን ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ረኣኹ።+ የሆዋ ኸኣ፡ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን። ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ በለ።” 17 ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ “‘ብዛዕባይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ’ ኢለካ ደይነበርኩን፧” በሎ።+ 18 ሚካያ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡+ ኵሉ ሰራዊት ሰማያት+ ድማ ኣብ የማነ ጸጋሙ ቘይሙ ረኣኹ።+ 19 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ምእንቲ ኺወድቕሲ፡ መን ይሓባብሎ፧’ በለ። ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ ድማ ከምቲ በለ። 20 ሽዑ፡ ሓደ መንፈስ*+ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ ደው ኢሉ፡ ‘ኣነ ኽሓባብሎ እየ’ በለ። የሆዋ ድማ፡ ‘ከመይ ጌርካ፧’ ኢሉ ሓተቶ። 21 ንሱ ኸኣ፡ ‘ወጺአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነብያቱ ዜታልል መንፈስ ክኸውን እየ’ ኢሉ መለሰ። ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻስ ክትሓባብሎ ኢኻ፡ ከተስልጥ እውን ኢኻ። ወጺእካ ኸምኡ ግበር’ በሎ። 22 ሕጂ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ኣፍ እዞም ነብያትካ እዚኦም ዜታልል መንፈስ እዩ ኣንቢሩ ዘሎ፣+ የሆዋ ግና ንዓኻ መዓት ተዛሪቡልካ ኣሎ።” 23 ጼዴቅያስ+ ወዲ ከናዓና ድማ ቀሪቡ ንሚካያ+ ኣብ ምዕጕርቱ ወቕዖ+ እሞ፡ “እቲ መንፈስ የሆዋ ንዓኻ ኺዛረብሲ ኻባይ በየን እዩ ሓሊፉ፧” በለ።+ 24 ሚካያ ኸኣ፡ “እንሆ፡ በታ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ በየን ምዃኑ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰ። 25 ንጉስ እስራኤል ድማ ከምዚ በለ፦ “ንሚካያ ናብ ኣሞን እቲ ሓለቓ እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ውሰድዎ። 26 ከምዚ ኸኣ በልዎም፦ ‘ንጉስ ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቲኹም፡+ እተነከየ መቝነን እንጌራን ማይን መግብዎ።”’” 27 ሚካያ ድማ፡ “ብሰላም እንተ ተመሊስካስ፡ የሆዋ ምሳይ ኣይተዛረበን” በለ።+ ብተወሳኺ ኸኣ፡ “ኣቱም ህዝቢ፡ ኵላትኩም ስምዑ” በለ። 28 ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ድማ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ።+ 29 ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ “ኣነ ትርኢተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፣ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ተኸደን” በሎ። ንጉስ እስራኤል ድማ ትርኢቱ ለወጠ፡ ናብ ውግእ እውን ኣተዉ። 30 ንጉስ ሶርያ ኸኣ ነቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታቱ፡ “ምስ ንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ። 31 እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፡ “እዚ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ። ኪዋግእዎ ድማ ናብኡ ኣልገሱ፣ ዮሳፋጥ ከኣ ኣእወየ፣+ የሆዋ ድማ ረድኦ፣ ኣምላኽ ከኣ ካብኡ ኣልገሶም። 32 እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት፡ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኰነ ምስ ረኣዩ፡ ብኡብኡ ኻብ ምስዓቡ ተመልሱ። 33 ግናኸ፡ ሓደ ሰብኣይ ብቐስቱ ገይሩ ብሃውሪ* ወርወረ እሞ፡ ንንጉስ እስራኤል ኣብ መንጎ መላግቦ ድርዑ ወግኦ። ንጉስ ድማ ነቲ ብዓል ሰረገላኡ፡ “ቈሲለ እየ እሞ፡ ተመሊስካ ኻብ ውግእ* ኣውጽኣኒ” በሎ።+ 34 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ውግእ በርትዐ፣ ንጉስ እስራኤል ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን፡ ክሳዕ ምሸት ኣብቲ ሰረገላ ብኻልእ ተደጊፉ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ ድማ ሞተ።+ 23 ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ድማ፡ የሆያዳ ተቢዑ ምስቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ ምስ ዓዛርያ ወዲ የሮሓምን እስማኤል ወዲ ዮሓናንን ዓዛርያ ወዲ ዖቤድን ማዓስያ ወዲ ዓዳያን ኤሊሻፋጥ ወዲ ዚክሪን፡ ኪዳን ገበረ።+ 2 ኣብ ይሁዳ ዞይሮም ከኣ፡ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ርእስታት ማይ ቤታት እስራኤልን ኣከብዎም።+ ናብ የሩሳሌም ምስ መጹ፡ 3 ብዘሎ እቲ ጉባኤ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ንጉስ ኪዳን ገበሩ፣+ ድሕሪኡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዘተስፈዎ፡ ወዲ ንጉስ ኪነግስ እዩ።+ 4 እቲ እትገብርዎ እዚ እዩ፦ ብሰንበት ዚዓይዩ ሲሶ ኻህናትን ሌዋውያንን፡+ ሓለውቲ ማዕጾ ኪዀኑ እዮም፣+ 5 ሲሶ ድማ ኣብ ቤት* ንጉስ ኪዀኑ፡+ ሲሶ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መሰረት ኪዀኑ እዮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣጸዳት ቤት የሆዋ ኪኸውን እዩ።+ 6 ብዘይካ እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሌዋውያንን፡ ሓደ እኳ ናብ ቤት የሆዋ ኺኣቱ ኣይትሕደጉ።+ ንሳቶም ግና ቅዱስ ጕጅለ ስለ ዝዀኑ፡ ኪኣትዉ ይኽእሉ እዮም፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ግዴታ ይሓልዉ። 7 እቶም ሌዋውያን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ይኽበብዎ። ናብታ ቤት ዚኣቱ ዘበለ ድማ ይቀተል። ንጉስ ናብ ዝኸዶ ዘበለ፡* ምስኡ ኹኑ።” 8 እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን ልክዕ ከምቲ ኻህን የሆያዳ ዝኣዘዞም ገበሩ። ካህን የሆያዳ ነቶም ክፍልታት+ ካብ ዕዮኦም ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ኣብ ዕዮ ዝነበሩ ምስቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ዝነበሩ ሰቦም ወሰዱ።+ 9 ካህን የሆያዳ ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡+ እቲ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝነበረ+ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናውትን ንኣሽቱ ዋላቱን* ከበብቲ ዋላቱን ሃቦም።+ 10 ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ* ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ሸነኽ እታ ቤት ክሳብ ጸጋማይ ሸነኽ እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን ኣብ ጥቓ እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቘሞም። 11 ንሳቶም ድማ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኦም፡+ ዘውዲ ደፍኡሉ፡ ምስክር*+ እውን ሃብዎ፣ ኣንገስዎ ኸኣ፣ የሆያዳን ደቁን እውን ቀብእዎ። ንሳቶም ድማ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሉ።+ 12 ዓታልያ ኸኣ ደሃይ እቶም ዚጐይዩን ንንጉስ ዚውድስዎን ህዝቢ ምስ ሰምዐት፡ ብኡብኡ ናብቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበሩ ህዝቢ መጸት።+ 13 ንጉስ ኣብ ጥቓ ዓንዲ ኣብቲ መእተዊ ቘይሙ ድማ ረኣየት። እቶም መሳፍንትን+ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ምስ ንጉስ ነበሩ፣ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ይሕጐሱን መለኸት ይነፍሑን ነበሩ፣+ እቶም ዘመርቲ እውን ብናውቲ ሙዚቃ ገይሮም ነቲ ውዳሰ ይመርሕዎ* ነበሩ። ሽዑ፡ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። 14 ካህን የሆያዳ ግና ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሚእቲ ኣውጺኡ፡ “ካብ መንጎ እቲ መስርዕ ኣውጽእዋ፣ ንዚስዕባ ዘበለ እውን፡ ብሰይፊ ቕተልዎ!” በሎም። እቲ ኻህንሲ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ነበረ። 15 ንሳቶም ድማ ሓዝዋ፣ ኣብታ ናብ ቤት* ንጉስ እተእቱ ኣፍ ደገ ኣፍራስ ምስ በጽሐት ከኣ፡ ኣብኣ ቐተልዋ። 16 የሆያዳ ድማ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ኢሉ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኣብ መንጎ ንጉስን ኪዳን ገበረ።+ 17 ድሕርዚ፡ ኵሎም ህዝቢ ናብ ቤት* በዓል ከይዶም ኣፍረስዋ፣+ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ፣+ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ቀተልዎ።+ 18 የሆያዳ ድማ ሓላፍነት ቤት የሆዋ ኣብ ኢድ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ገበረ፣ ንዓታቶም ከኣ ዳዊት ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ+ ዚሓርር መስዋእቲ የሆዋ ኬቕርቡ ኣብ ልዕሊ ቤት የሆዋ ብኽፍልታት ሰሪዕዎም ነበረ፣+ ብትእዛዝ* ዳዊት ድማ፡ ነዚ ብሓጐስን ብመዝሙርን ኪገብርዎ ነበሮም። 19 ብዝዀነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱስ፡ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ እውን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገታት ቤት የሆዋ ኣቘሞም። 20 ነቶም ኣሕሉቕ ሚእትን+ ነቶም ልዑላንን ነቶም ገዛእቲ ህዝብን ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ድማ ወሰዶም፣ ንንጉስ ከኣ ካብ ቤት የሆዋ ዓጂቡ ኣውረዶ። በታ ላዕለወይቲ ኣፍ ደገ ናብ ቤት* ንጉስ ኣትዮም ድማ፡ ንንጉስ ኣብቲ ዝፋን+ መንግስቲ ኣቐመጥዎ።+ 21 ንዓታልያ ብሰይፊ ስለ ዝቐተልዋ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ተሓጐሱ፡ እታ ኸተማ እውን ሃድአት። 34 ዮስያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 31 ዓመት ነገሰ።+ 2 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብመገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ተመላለሰ፣ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን። 3 ኣብ 8ይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ፣+ ኣብ መበል 12 ዓመት ከኣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ በረኽትን+ ኣዕኑድ ኣምልኾን* ቅሩጽ ምስልታትን+ ፍሱስ ምስልታትን ኬንጽሀን ጀመረ።+ 4 ንመሰውኢታት በዓላት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፣ ኣብ ልዕሊኡ ንዝነበረ መሰውኢታት ዕጣን ከኣ ቈረጾ። ንኣዕኑድ ኣምልኾን* ንቕሩጽ ምስልታትን ንፍሱስ ምስልታትን ሰባበሮ፡ ኣድቀቖ፡ ኣብ መቓብራት እቶም ዚስውኡሎም ዝነበሩ ድማ ነስነሶ።+ 5 ንኣዕጽምቲ ኻህናት ከኣ ኣብ መሰውኢታቶም ኣንደዶ።+ በዚ ኸምዚ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኣንጽሀን። 6 ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን+ ስምኦንን ክሳብ ንፍታሌም፡ ኣብ ዙርያአን ኣብ ዘለዋ ዑናታት ከኣ፡ 7 መሰውኢታት ኣፍረሰ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾን* ቅሩጽ ምስልታትን+ ድማ ሓምሺሹ ኣድቀቐ፣ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ቈረጸ፣+ ድሕሪኡ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። 8 ኣብ መበል 18 ዓመት ንግስናኡ፡ ነታ ምድርን ነታ ቤተ መቕደስን* ምስ ኣንጽሀን፡ ንሻፋን+ ወዲ ኣጻልያን ንማዓስያ እቲ ሓለቓ እታ ኸተማን ንዮኣሕ ወዲ ዮኣሓዝ እቲ መዝጋብን፡ ቤት የሆዋ ኣምላኹ ኺጽግኑ ለኣኾም።+ 9 ንሳቶም ከኣ ናብ ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጺኦም፡ ነቲ እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ዀይኖም ዜገልግሉ ሌዋውያን ካብ ምናሴን ካብ ኤፍሬምን ካብ ኵሎም ዝተረፉ እስራኤልን+ ካብ ይሁዳን ካብ ብንያምን ካብ ነበርቲ የሩሳሌምን ዝኣከብዎ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝኣተወ ገንዘብ ሃብዎ። 10 ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ሃብዎም። እቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ዓየይቲ ኸኣ ነታ ቤት ንምዕራይን ንምጽጋንን ተጠቕሙሉ። 11 ውቑር ኣእማንን ንመደገፊ ዚኸውን ኣዕጫውን ኪዕድጉሉ፡ ነተን ነገስታት ይሁዳ ኺዓንዋ ዝሓደግወን ኣባይቲ ድማ ብኣግማል ኪሃንጽወን ኢሎም እውን፡ ንኢደ ጥበበኛታትን ንሃነጽትን ሃብዎም።+ 12 እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዕዮ ብተኣማንነት ገበርዎ።+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሓለፍቲ ዀይኖም ኬገልግሉ እተሸሙ ሌዋውያን፡ ካብ መራራውያን፡+ ያሓትን ኦብድያን፡ ካብ ቀሃታውያን፡+ ዘካርያስን መሹላምን ነበሩ። እቶም ክኢላታት ሙዚቀኛታት ዝነበሩ ሌዋውያን ድማ፡+ 13 ኣብ ልዕሊ እቶም ተራ ሸቃሎ* ነበሩ፣ ሓለፍቲ ዅሎም እቶም ኣብ ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዕዮ ዚዓይዩ ዝነበሩ እውን ነበሩ፣ ገለ ኻብቶም ሌዋውያን ከኣ ጸሓፍትን ኣሕሉቕን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ነበሩ።+ 14 ነቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝኣተወ ገንዘብ ኬውጽእዎ ኸለዉ ድማ፡+ ካህን ሒልቅያ ነታ ብሙሴ* እተዋህበት+ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ረኸባ።+ 15 ሒልቅያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ መጽሓፍ ሕጊ ረኺበ” በሎ። ሒልቅያ ድማ፡ እታ መጽሓፍ ንሻፋን ሃቦ። 16 ሻፋን ከኣ ነታ መጽሓፍ ናብ ንጉስ ኣምጽኣ እሞ፡ “ገላዉኻ ዅሉ እቲ እተመደበሎም ይገብሩ ኣለዉ። 17 ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦምዎ፡ ነቶም እተሸሙን ነቲ ዕዮ ዚዓይዩን ድማ ሂቦምዎም” ኢሉ ነገሮ። 18 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ “ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጽሓፍ ሂቡኒ” ኢሉ ነገሮ።+ ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብኣ ኣንበበ።+ 19 ንጉስ ነቲ ቓላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ 20 ንጉስ ድማ ንሒልቅያን ንኣሒቃም+ ወዲ ሻፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ እቲ ጊልያ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 21 “ኣቦታትና ንቓል የሆዋ ኸምቲ ዅሉ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሓለውዎ፡ እቲ ኣባና ዚክዖ ነድሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኬድኩም ብዛዕባ እዚ ኣብዛ እተረኽበት መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እቶም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉን ንየሆዋ ሕተትዎ።”+ 22 ሽዑ፡ ሒልቅያ ምስቶም ብንጉስ እተላእኩ ዀይኑ ናብ ነብዪት ሑልዳ ኸደ።+ ንሳ ሰበይቲ ሻሉም ወዲ ቲቅዋ ወዲ ሓርሓስ፡ እቲ ሓላው ክዳውንቲ እያ፣ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፋል የሩሳሌም ድማ ትቕመጥ ነበረት። ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ተዛረብዋ።+ 23 ንሳ ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ ከምዚ በልዎ፦ 24 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከም ኵሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ይሁዳ ዘንበብዎ ኣብታ መጽሓፍ እተጻሕፈ መርገም፡+ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን መዓት ከምጽእ እየ።+ 25 ብዅሉ ግብርታት ኣእዳዎም ምእንቲ ኬዀርዩኒ፡ ንዓይ ሓዲጎም+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይዓጥኑ ስለ ዘለዉ፡+ ነድረይ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ኺክዖ እዩ፡ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።’”+ 26 ነቲ ንየሆዋ ኽትሓትቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓላት፡+ 27 እቲ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ነበርታን እተባህለ ቓላቱ ምስ ሰማዕካ፡ ልብኻ ስለ ዝለስለሰን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ስለ ዝበልካን ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘትሓትካን ክዳውንትኻ ቐዲድካ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻን፡ ኣነ እውን ሰሚዐካ ኣለኹ፡+ ይብል የሆዋ። 28 ስለዚ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፣* ኣብ መቓብርካ ድማ ብሰላም ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣዒንትኻ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን ዘምጽኦ መዓት ኣይኪርእያን እየን።’”’”+ ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምላሽ ኣምጽኡሉ። 29 ሽዑ፡ ንጉስ ለኣኸ እሞ፡ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣከቦም።+ 30 ድሕሪኡ፡ ንጉስ ምስ ኵሎም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኰታስ ምስ ኵሎም ህዝቢ፡ ምስ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ናብ ቤት የሆዋ ደየበ። ኵሉ ቓላት እታ ኣብ ቤት የሆዋ እተረኽበት መጽሓፍ ኪዳን ድማ እናሰምዑ ኣንበበ።+ 31 ንጉስ ከኣ ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ፡ ቃላት እቲ ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ እተጻሕፈ ኺዳን ብምፍጻም፡+ ንየሆዋ ኸም ዚስዕቦ፡ ትእዛዛቱን መዘኻኸሪታቱን ስርዓታቱን ከኣ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን*+ ከም ዚሕሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዳን ኣተወ።*+ 32 ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌምን ብንያምን እተረኽቡ እውን ከም ዚሰማምዑሉ ገበረ። ነበርቲ የሩሳሌም ከኣ ከምቲ ኺዳን ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ገበሩ።+ 33 ድሕሪኡ፡ ዮስያስ ካብ ኵለን ሃገራት እስራኤላውያን ፍንፉን* ዘበለ ዅሉ ኣርሓቐ፣+ ኣብ እስራኤል ንእተረኽቡ ዘበሉ ዅሎም ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኾም ከም ዜገልግልዎ ገበሮም። ብዅሉ ዘመኑ* ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ካብ ምስዓብ ኣየልገሱን። 19 ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብሰላም ናብ ቤቱ* ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።+ 2 የሁ+ ወዲ ሓናኒ+ እቲ ረኣዪ ኸኣ ኪረኽቦ ወጸ እሞ፡ ንንጉስ ዮሳፋጥ ከምዚ በሎ፦ “ንእኩይዶ ትሕግዞ፡+ ነቶም ንየሆዋ ዚጸልእዎዶኸ ትፈትዎም ኢኻ፧+ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። 3 ግናኸ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ኻብዛ ምድሪ ስለ ዘወገድካ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምድላይ እውን ልብኻ ስለ ዘዳሎኻ፡*+ ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ።”+ 4 ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፣ ከም ብሓድሽ ከኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ኣኽራን ኤፍሬም+ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪመልሶም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸ።+ 5 ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ድማ፡ ኣብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ፡ ኣብ ከከተማ ፈራዶ ሸመ።+ 6 ነቶም ፈራዶ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንየሆዋ ኢልኩም እምበር፡ ንሰብ ኢልኩም ኣይኰንኩምን እትፈርዱ እሞ፡ ነቲ እትገብርዎ ኣቕልቡሉ፣ ፍርዲ ኽትፈርዱ ኸለኹም፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ።+ 7 እምበኣር፡ ፍርሃት የሆዋ ኣባኻትኩም ይኹን።+ ኣብ የሆዋ ኣምላኽናስ ዓመጻን*+ ኣድልዎን+ ምውሳድ ጉቦን የልቦን+ እሞ፡ ብእትገብርዎ ተጠንቀቑ።” 8 ኣብ የሩሳሌም እውን፡ ንየሆዋ ፈራዶ ዀይኖም ኬገልግሉን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌም ንዚልዓል ጕዳይ ኬደቅሱን፡ ዮሳፋጥ ገለ ኻብ ሌዋውያንን ካህናትን ካብ ርእስታት ማይ ቤታት እስራኤልን ሸመ።+ 9 ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ብፍርሃት የሆዋን ብተኣማንነትን ብምሉእ* ልብን እትገብርዎ እዚ እዩ፦ 10 ኣብ ከተማታቶም ዚነብሩ ኣሕዋትኩም ብዛዕባ ምፍሳስ ደም ዚምልከት ጕዳይ፡+ ወይ ብዛዕባ ሕግን ትእዛዝን ስርዓታትን ፍርድታትን ሕቶ ምስ ዜምጽኡልኩም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ በደልቲ ኸይኰኑ እሞ፡ ቍጥዓኡ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን ከይመጽእ ኣጠንቅቕዎም። በደልቲ ምእንቲ ኸይትዀኑ፡ ከምኡ ግበሩ። 11 እቲ ኣብ ናይ የሆዋ ዘበለ ነገር ኣብ ልዕሌኹም ዝዀነ ኣማርያ እቲ ሊቀ ኻህናት እንሆ።+ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ከኣ ኣብቲ ናይ ንጉስ ዘበለ ነገር መራሒ ቤት ይሁዳ እዩ። እቶም ሌዋውያን ድማ ኣሕሉቕኩም ኰይኖም ኬገልግሉ እዮም። በርትዑን ግበሩን፡ የሆዋ ኸኣ ምስቶም ጽቡቕ ዚገብሩ* ይኹን።”+ 20 ድሕርዚ፡ ሞኣባውያንን+ ዓሞናውያንን+ ምስ ዓሞኒም* ሓቢሮም ንዮሳፋጥ ኪዋግእዎ መጹ። 2 ንዮሳፋጥ ከኣ፡ “ካብ ዞባ ባሕሪ፡* ካብ ኤዶም+ ብዙሕ ህዝቢ ኣንጻርካ ይመጽእ ኣሎ፣ ኣብ ሓጻጾን-ታማር፡ ንሳ ዔን-ገዲ፡+ ድማ ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ። 3 ሽዑ፡ ዮሳፋጥ ፈርሀ፡ ንየሆዋ ኺደልዮ ኸኣ ቈረጸ።*+ ኣብ ኵላ ይሁዳ ድማ ጾም ኣወጀ። 4 ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንየሆዋ ኺሓትትዎ ተኣከቡ፣+ ካብ የሆዋ ምኽሪ ኺሓትቱ ድማ፡ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ተኣከቡ። 5 ዮሳፋጥ ከኣ ኣብ ጉባኤ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው ኢሉ፡ 6 ከምዚ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ኣብ ሰማያት ኣምላኽ ዝዀንካ ንስኻ ደይኰንካን፧+ ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት ኣህዛብ እትገዝእከ ንስኻ ደይኰንካን፧+ ሓይልን ብርታዐን ኣብ ኢድካ እዩ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል እውን የልቦን።+ 7 ኦ ኣምላኽና፡ ንነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ሰጒጕካ፡ ንዓኣ ንዘርኢ እቲ ፈታዊኻ* ኣብርሃም ንሓዋሩ ርስቲ ጌርካ ዝሃብካዮም ንስኻ ደይኰንካን፧+ 8 ንሳቶም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ፣ ኣብኣ እውን ንስምካ መቕደስ ሃነጹ፣+ ከምዚ ድማ በሉ፦ 9 ‘ኣብ ልዕሌና መዓት፡ ማለት ሰይፊ፡ ፍርዲ፡ ለበዳ፡ ወይ ጥሜት እንተ መጺኡ፡ (ስምካ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡)+ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣ ደው ኢልና፡ ብጭንቅና ናባኻ ኽንምህለል ኢና፣ ንስኻ ድማ ሰሚዕካ ኣድሕነና።’+ 10 ሕጂ ኸኣ፡ ሰብ ዓሞንን ሞኣብን ኣኽራን ሰዒርን+ እነዉ፣ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉስ ኪወርርዎም ኣይፈቐድካሎምን። ካባታቶም ዞሩ ደኣ እምበር፡ ኣየጥፍእዎምን።+ 11 እንሆ፡ ንሳቶም ካብዛ ዘረስተኻና ርስትኻ ኺሰጕጉና ብምምጻእ፡ እዚ ይፈድዩና ኣለዉ።+ 12 ኦ ኣምላኽና፡ ኣብ ልዕሊኦም ፍርዲ ኣይትፍጽምን ዲኻ፧+ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ሓይሊ የብልናን፣ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፣+ ኣዒንትና ግና ናባኻ እየን።”+ 13 ኵሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ድማ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ኢሎም ነበሩ። 14 ሽዑ፡ ኣብ ማእከል እታ ጉባኤ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ያሓዚኤል ወዲ ዘካርያስ ወዲ በናያ ወዲ የዒኤል ወዲ ማታንያ እቲ ሌዋዊ ኻብ ደቂ ኣሳፍ መጸ። 15 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ኵላትኩም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ እውን ንጉስ ዮሳፋጥ፡ ኣቕልቡ! የሆዋ ኸምዚ ይብለኩም ኣሎ፦ ‘እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ብሰንኪ እዚ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።+ 16 ጽባሕ ኣንጻሮም ውረዱ። ብመተሓላለፊ ጺጽ ኪድይቡ እዮም፣ ኣብ ወሰን እቲ ስንጭሮ፡* ኣብ ቅድሚ በረኻ የሩኤል ክትረኽብዎም ኢኹም። 17 ኣብዚ ውግእ እዚ ኽትዋግኡ ኣይኬድልየኩምን እዩ። ቦታኹም ሒዝኩም ደው በሉ እሞ፡+ እቲ የሆዋ ምእንታኹም ዚገብሮ ድሕነት ርኣዩ።*+ ኦ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።+ ጽባሕ ኣንጻሮም ውጹ፡ የሆዋ ድማ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።’”+ 18 ሽዑ፡ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ሰገደ፣ ኵሎም ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ንየሆዋ ኺሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብገጾም ተደፍኡ። 19 እቶም ካብ ደቂ ቀሃታውያንን+ ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ዝዀኑ ሌዋውያን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኺውድስዎ ተንስኡ።+ 20 ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ፡ ናብ በረኻ ተቆዓ+ ወጹ። ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ዮሳፋጥ ተንሲኡ፡ “ኦ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡ ስምዑኒ! ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡* ብየሆዋ ኣምላኽኩም እመኑ። ብነብያቱ እውን እመኑ እሞ፡+ ኪቐንዓኩም እዩ” በሎም። 21 ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ድማ፡ ቀቅድሚ እቶም ዕጡቓት ወጺኦም፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ”+ እናበሉ ንየሆዋ ዚዝምሩሉን ቅዱስ ስሉም ኣልባሳት ለቢሶም ዚውድስዎን ሰባት ሸመ።+ 22 ብታሕጓስ ውዳሰ ኺዝምሩ ምስ ጀመሩ ኸኣ፡ የሆዋ ኣንጻር እቶም ንይሁዳ ዚወርሩ ዝነበሩ ሰብ ዓሞንን ሞኣብን ኣኽራን ሰዒርን ደባይ ኣምጽኣሎም እሞ፡ ንሓድሕዶም ተቓተሉ።+ 23 እቶም ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ድማ ነቶም ነበርቲ ኣኽራን ሰዒር+ ኬጥፍእዎምን ኬጽንትዎምን ተንስኡ፣ ነቶም ነበርቲ ሰዒር ምስ ወድእዎም ከኣ፡ ንሓድሕዶም ኪጣፍኡ ተሓጋገዙ።+ 24 ይሁዳ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ መጹ+ እሞ ናብቲ ህዝቢ ምስ ጠመቱ፡ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ሬሳታቶም ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኣዩ።+ 25 ዮሳፋጥን ህዝቡን ከኣ ነቲ ምርኮ ኻባታቶም ኪዘምቱ መጹ፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ኣኺሉ ዚተርፍ ጥሪትን ክዳውንትን ተባሃጊ ኣቕሑን ረኸቡ፣ ነዚ ድማ ምጻሩ ኽሳዕ ዚስእኑ ገፈፍዎ።+ እቲ ምርኮ ኣኺሉ ዚተርፍ ነበረ እሞ፡ ንምዝማቱ ሰለስተ መዓልቲ ወሰደሎም። 26 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ስንጭሮ* በራካ ተኣከቡ፣ ኣብኣ ድማ ንየሆዋ ወደስዎ።* ስለዚ እዮም ክሳዕ ሎሚ ነታ ቦታ እቲኣ ስንጭሮ በራካ*+ ኢሎም ሰምዮምዋ ዘለዉ። 27 ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ኣሐጒስዎም ነበረ እሞ፡ ዮሳፋጥ እናመርሖም ናብ የሩሳሌም ብታሕጓስ ተመልሱ።+ 28 ብበገናን ብመሰንቆን*+ ብመለኸትን+ ድማ ናብ የሩሳሌም ኣተዉ፡ ናብ ቤት የሆዋ እውን ከዱ።+ 29 ኵለን መንግስትታት ሃገራት ከኣ የሆዋ ኣንጻር ጸላእቲ እስራኤል ከም እተዋግአ ምስ ሰምዓ፡ ራዕዲ ኣምላኽ ኣባታተን ኰነ።+ 30 በዚ ኸምዚ፡ መንግስቲ ዮሳፋጥ ሃድአት፡ ኣምላኹ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዕረፍቲ ሃቦ።+ 31 ዮሳፋጥ ከኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 35 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 25 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓዙባ እዩ፣ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ።+ 32 ብመገዲ ኣቦኡ ኣሳ ኸኣ ተመላለሰ።+ ካብኡ ኣየልገሰን፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ቅኑዕ ገበረ።+ 33 ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣+ እቶም ህዝቢ እውን ገና ልቦም ንኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየዳለዉን ነበሩ።+ 34 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮሳፋጥ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ኣትዩ ዘሎ ቓላት የሁ+ ወዲ ሓናኒ+ ተጻሒፉ ኣሎ። 35 ድሕርዚ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ኽፉእ ዝገበረ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ኪዳን ገበረ።+ 36 ናብ ተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሕ ድማ መሻርኽቱ ገበሮ፣+ ነተን መራኽብ ከኣ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ሰርሕወን።+ 37 ይኹን እምበር፡ ኤልዔዘር ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ “ምስ ኣሓዝያ ኺዳን ስለ ዝገበርካ፡ የሆዋ ንዕዮኻ ኼፍርሶ እዩ” ኢሉ ኣንጻር ዮሳፋጥ ተነበየ።+ እተን መራኽብ ድማ ተሰብራ፣+ ናብ ተርሲስ ኪኸዳ እውን ኣይከኣላን። 3 ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ የሆዋ ንኣቦኡ ዳዊት እተራእየላ+ ኸረን ሞርያ፡+ ኣብታ ዳዊት ኣብ ዓውዲ ኦርናን+ እቲ ይቡሳዊ ዘዳለዋ ቦታ ቤት የሆዋ ኺሃንጽ ጀመረ።+ 2 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ ኺሃንጽ ጀመረ። 3 እቲ ሰሎሞን ንህንጸት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝሰረቶ መሰረት ከኣ፡ ብናይ ቀደም መለክዒ፡* 60 እመት ዝንውሓቱን 20 እመት ዝግፍሑን ነበረ።+ 4 እቲ ኣብ ቅድሚት ዝነበረ ገበላ ድማ፡ 20 እመት ዝንውሓቱ፡ ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ነበረ፣* ቍመቱ ኸኣ 120 ነበረ፣* ውሽጡ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ።+ 5 ነታ ዓባይ ቤት ከኣ ብዕንጨይቲ ጽሕዲ* ረቢቡ፡ ብጽሩይ ወርቂ ለበጣ፣+ ብምስልታት ኦም ስየን+ ሰንሰለታትን+ እውን ሰለማ። 6 ነታ ቤት ድማ ውቁብ ክቡራት ኣእማን ገበረላ፣+ እቲ እተጠቕመሉ ወርቂ+ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም ነበረ። 7 ነታ ቤትን ነቲ ሰርወታትን ነቲ ድርኵዂታትን መናድቓን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፣+ ኣብቲ መናድቕ ከኣ ኪሩቤል ቀረጸ።+ 8 ክፍሊ* ቕድስተ ቕዱሳን ድማ ገበረ፣+ ንውሓታ ኸም ግፍሒ እታ ቤት 20 እመት፡ ግፍሓ እውን 20 እመት ነበረ። ብ600 ታለንት* ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጣ።+ 9 ሚዛን እቲ ንመሳምር ዝዀነ ወርቂ፡ 50 ሲቃል* ነበረ፣ ነተን ኣብ ደርቢ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን። 10 ኣብ ክፍሊ* እታ ቕድስተ ቕዱሳን ከኣ ክልተ ቕርጻታት ኪሩቤል ገበረ፣ ብወርቂ ድማ ለበጦ።+ 11 ድምር ንውሓት ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል+ 20 እመት ነበረ፣ ሓንቲ ኽንፊ እቲ ቐዳማይ ኪሩብ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንክዮ ነበረት፣ እታ ኻልአይቲ ኽንፉ ድማ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንሓንቲ ኻብተን ኣኽናፍ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ትትንክያ ነበረት። 12 እታ ሓንቲ ኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ከኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ እታ ቤት ትትንክዮ ነበረት፣ እታ ኻልአይቲ ኽንፉ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓታ ዀይና፡ ንሓንቲ ኻብተን ኣኽናፍ እቲ ቐዳማይ ኪሩብ ትትንክያ ነበረት። 13 ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኦም 20 እመት ተዘርጊሐን ነበራ፣ ብኣእጋሮም ድማ ደው ኢሎም ነበሩ፡ ገጾም እውን ናብ ውሽጢ* ኣቢሉ ነበረ። 14 ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ድሙቕ ቀይሕን ቅጭን ዓለባን ከኣ መጋረጃ ገበረ፣+ ኪሩቤል ድማ ገበረሉ።+ 15 ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ 35 እመት ዝንውሓቱ ኽልተ ዓንዲ ገበረ፣+ ኣብ ረርእሲ እቲ ዓንዲ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓቱ ርእሲ ዓንዲ ነበረ።+ 16 ከም ድሪ ዚመስል ሰንሰለታት ገይሩ ድማ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ገበሮ፣ 100 ሮማን ገይሩ ኸኣ፡ ኣብቲ ሰንሰለታት ገበሮ። 17 ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ፡ ሓደ ብየማን፡* ሓደ ኸኣ ብጸጋም* ኣቘሞ፣ ነቲ ብየማን ዝነበረ ያኪን፡* ነቲ ብጸጋም ዝነበረ ድማ ቦኣዝ* ኢሉ ሰመዮ። 24 ዮኣስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 40 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ጺብያ እዩ፣ ንሳ ኻብ ብኤር-ሸባዕ እያ።+ 2 ዮኣስ ድማ ብዅሉ ዘመን ካህን የሆያዳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 3 የሆያዳ ኸኣ ክልተ ኣንስቲ ሓረየሉ፣ ንሱ ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ። 4 ድሕርዚ፡ ዮኣስ ንቤት የሆዋ ኺሕድሳ ብልቡ ተመነየ።+ 5 ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ኸኣ፡ “ናብ ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፡ ዓመት ንዓመት ንምጽጋን ቤት ኣምላኽኩም ዚኸውን ገንዘብ ካብ ኵሎም እስራኤል ኣክቡ፣+ ነዚ ነገር እዚ እውን ቀልጢፍኩም ግበርዎ” በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ነዚ ቐልጢፎም ኣይገበርዎን።+ 6 ንጉስ ከኣ ንየሆያዳ እቲ ሊቅ ጸዊዑ፡+ “ስለምንታይ ኢኻ ነቶም ሌዋውያን፡ ነቲ ንድንኳን ምስክር ዚኸውን ብሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ እተኣዘዘ ቕዱስ ግብሪ፡+ ቅዱስ ግብሪ ጉባኤ እስራኤል፡ ካብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከም ዜምጽኡ ዘይገበርካዮም፧+ 7 ደቂ ዓታልያ+ እታ እክይቲ ሰበይትስ፡ ናብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥሒሶም ኣትዮም፡+ ነቲ ናይ ቤት የሆዋ ዘበለ ዅሉ ቕዱስ ነገር ንበዓላት ገይሮምዎ እዮም” በሎ። 8 ብትእዛዝ ንጉስ ድማ፡ ሳጹን ገይሮም፡+ ኣብ ወጻኢ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ኣቐመጥዎ።+ 9 ድሕሪኡ፡ እቲ ብሙሴ እቲ ጊልያ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ በረኻ እተኣዘዘ ቕዱስ ግብሪ+ ናብ የሆዋ ኼምጽኡ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣወጁ። 10 ኵሎም እቶም መሳፍንትን ኵሎም እቶም ህዝብን ከኣ ተሓጐሱ፣+ ውጽኢታት ኣምጺኦም ድማ እቲ ሳጹን ክሳዕ ዚመልእ፡ ናብኡ የውድቕዎ ነበሩ።* 11 ኣብቲ እቶም ሌዋውያን ንንጉስ ነቲ ሳጹን ዜረክቡሉ ዘበለ እዋን፡ ኣብኡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ጸሓፊ እቲ ንጉስን ብዓል መዚ እቲ ሊቀ ኻህናትን መጺኦም ነቲ ሳጹን ገልቢጦም፡+ ናብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ገበሩ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ ገንዘብ ድማ ኣከቡ። 12 ንጉስን የሆያዳን ከኣ፡ እዚ ነቶም ዕዮ ኣገልግሎት ቤት የሆዋ ዚቈጻጸሩ ይህብዎም ነበሩ፣ ንሳቶም ድማ ንቤት የሆዋ ንምሕዳስ ወቐርቲ እምንን ኢደ ጥበበኛታትን፡+ ንምጽጋን ቤት የሆዋ እውን ዓየይቲ ሓጺንን ነሓስን ይቘጽሩ ነበሩ። 13 እቶም ነቲ ዕዮ ዚቈጻጸሩ ኸኣ ጀመርዎ፣ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ድማ እቲ ዕዮ ጽገና ሰጐመ፣ ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ከም ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐረይዋን ኣጽንዕዋን። 14 ምስ ወድኡ ድማ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ንጉስን የሆያዳን ኣምጽእዎ፣ ንሳቶም ከኣ ንቤት የሆዋ ዚኸውን ኣቕሑ፡ ንኣገልግሎትን ንመስዋእትን ዚኸውን ኣቕሑን ጽዋኣትን ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ንምስራሕ ተጠቐሙሉ።+ ብዅሉ ዘመን የሆያዳ ድማ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ።+ 15 የሆያዳ ኣሪጉን ዕድመ ጸጊቡን ሞተ፣ ኪመውት ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 130 ዓመት ነበረ። 16 ኣብ እስራኤል ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ምስ ቤቱን ብዚተሓሓዝ ጽቡቕ ስለ ዝገበረ፡+ ምስ ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።+ 17 ድሕሪ ሞት የሆያዳ፡ መሳፍንቲ ይሁዳ መጺኦም ንንጉስ ሰገዱሉ፣ ንጉስ ድማ ሰምዖም። 18 ንቤት የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ከኣ፡ ንኣዕኑድ ኣምልኾን* ንጣኦታትን ኣገልገሉ፣ ስለዚ፡ ብሰንኪ በደሎም፡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቍጥዓ ኣምላኽ መጸ።* 19 ናብ የሆዋ ኺመልስዎም ድማ፡ ንሱ ነብያቱ ይሰድደሎም ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ የጠንቅቕዎም* ነበሩ፣ ግናኸ፡ ኣይሰምዕዎምን።+ 20 መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዘካርያስ ወዲ ኻህን የሆያዳ+ መጸ፣* ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ተንሲኡ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከምዚ ይብል፦ ‘ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት የሆዋ እትጥሕሱ ዘለኹም፧ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ! ንየሆዋ ስለ ዝሓደግኩምዎ፡ ንሱ እውን ኪሓድገኩም እዩ’” በሎም።+ 21 ንሳቶም ግና ውዲት ኣለሙሉ፡+ ብትእዛዝ ንጉስ ከኣ ኣብ ኣጸድ ቤት የሆዋ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ 22 በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ* የሆያዳ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ ኣይዘከሮን፣ ንወዱ ደኣ ቐተሎ። ንሱ ኺመውት ከሎ ድማ፡ “ነዝስ የሆዋ ይርኣዮ፡ ተሓታቲ እውን ይግበርካ” በለ።+ 23 ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* ሰራዊት ሶርያ ኣንጻር ዮኣስ ደየበ፣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ ወረርወን።+ ንዅሎም መሳፍንቲ+ ህዝቢ ድማ ኣጥፍእዎም፣ ኵሉ እቲ ምርኮኦም ከኣ ናብ ንጉስ ደማስቆ ሰደዱ። 24 እቲ ወራሪ ሰራዊት ሶርያ ሒደት ሰባት እኳ እንተ ነበርዎ፡ እቲኣቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎምዎ ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ንዓታቶም ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፣+ ንሳቶም* ድማ ነቲ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዮኣስ ፈጸምዎ። 25 ንሳቶም ብብርቱዕ ቈሲሉ* ሓዲጎምዎ ነበሩ እሞ፡ ካብኡ ምስ ከዱ፡ ደም ደቂ* ኻህን የሆያዳ ስለ ዘፍሰሰ፡+ ገላዉኡ ውዲት ኣለሙሉ። ኣብ ዓራቱ ኸኣ ቀተልዎ።+ ምስ ሞተ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፣+ ኣብ መቓብር ነገስታት ግና ኣይቀበርዎን።+ 26 እቶም ውዲት ዝኣለሙሉ ኸኣ፡+ ዛባድ ወዲ ሺምዓት እታ ዓሞናዊትን የሆዛባድ ወዲ ሺምሪት እታ ሞኣባዊትን እዮም። 27 ብዛዕባ ደቁን ብዛዕባ እቲ ኣንጻሩ እተዘርበ ሓያሎ ኸቢድ መልእኽትን+ ብዛዕባ እቲ ሕደሳ* ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን፡+ እዚ ዅሉ ኣብ ጽሑፋት* መጽሓፍ ነገስታት ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣማስያ ነገሰ። 32 ድሕሪ እዚ ነገራት እዝን እዚ ብተኣማንነት እተገብረ ግብርታት እዝን፡+ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር መጺኡ ንይሁዳ ወረራ። ነተን እተዓርዳ ኸተማታት ጥሒሱ ኣትዩ ኺሕዘን ሓሲቡ ድማ ከበበን።+ 2 ህዝቅያስ ከኣ ሰናክሪብ ከም ዝመጸን ንየሩሳሌም ኪዋግኣ ኸም ዝሓሰበን ምስ ረኣየ፡ 3 ምስ መሳፍንቱን ጀጋኑኡን ተማኺሩ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ዘሎ ዓይኒ ማያት ኪደብዮ ወሰነ፣+ ንሳቶም ድማ ደገፍዎ። 4 ብዙሓት ህዝቢ ተኣኪቦም ከኣ፡ “ስለምንታይ ነገስታት ኣሶር መጺኦም ብዙሕ ማይ ዚረኽቡ፧” ኢሎም ንዅሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ በታ ምድሪ ዚውሕዝ ርባን ዓገትዎ። 5 ንብዘሎ እቲ ፈሪሱ ዝነበረ መካበብያ ብቘራጽነት ዳግም ሃነጾ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ግምብታት ሰርሐ፡ ኣብ ወጻኢ ኸኣ ካልእ መካበብያ ገበረ። ነቲ ዅምራ*+ ኸተማ ዳዊት ድማ ጸገኖ፡ ብዙሕ ኣጽዋርን* ዋላቱን እውን ገበረ። 6 ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣሕሉቕ ተዋጋእቲ ሸመ፡ ኣብታ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዘላ ኣደባባይ ድማ ኣከቦም፡ ከምዚ ኢሉ እውን ኣተባብዖም፦* 7 “ትብዑን በርትዑን። ካብቶም ምስኡ ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እሞ፡ ብንጉስ ኣሶርን+ በቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።+ 8 ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ* እዩ፣ እቲ ኺረድኣናን ውግእና ኺዋግኣልናን ምሳና ዘሎ ግና የሆዋ ኣምላኽና እዩ።”+ እቲ ህዝቢ ድማ ብዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተበራትዐ።+ 9 ድሕርዚ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ምስ ኵሉ ሃጸያዊ ሓይሉ* ኣብ ላኪሽ+ ከሎ፡ ገላዉኡ ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድን ከምዚ ኢሉ ሰደደ፦+ 10 “ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ ‘የሩሳሌም ተኸቢባ ኸላ፡ ኣብኣ እትቕመጡስ ኣብ ምንታይ ተኣሚንኩም ኢኹም፧+ 11 ብጥሜትን ብጽምእን ምእንቲ ኽትሞቱ፡ “የሆዋ ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈና እዩ” እናበለ ዜስሕተኩምን ኣሕሊፉ ዚህበኩምን ዘሎስ ህዝቅያስ ደይኰነን፧+ 12 እቲ ንናይ ኣምላኽኩም በረኽትን መሰውኢታትን* ኣወጊዱ፡+ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ “ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ” ዝበለስ እዚ ህዝቅያስ እዚ ደይኰነን፧+ 13 ኣነን ኣቦታተይን ንዅሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራትዶ ንሃገሮም ካብ ኢደይ ኬናግፉ ኽኢሎም እዮም፧+ 14 ኣምላኽኩም ካብ ኢደይ ኬናግፈኩም ዚኽእልሲ፡ ካብቶም ኣማልኽቲ እዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኦም፡ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኬናግፎ ዝኸኣለ መን እዩ፧+ 15 ሕጂ ኸኣ ህዝቅያስ በዚ ነገር እዚ ኣየታልልኩምን ኣየስሕትኩምን!+ ብእኡ ኣይትእመኑ፣ ከመይሲ፡ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ኬናግፍ ዝኸኣለ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ህዝቢ ወይ መንግስቲ የልቦን። ኣምላኽኩም ግዳ ኻብ ኢደይ ምንጋፍኩም ክንደይ ዘይሰኣኖ!’”+ 16 እቶም ገላዉኡ ድማ ኣንጻር የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣንጻር ጊልያኡ ህዝቅያስን ተወሳኺ ነገር ተዛረቡ። 17 ንሱ እውን ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኪጸርፎን+ ኣንጻሩ ኺዛረብንሲ፡ “ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ኬናግፉ ዘይከኣሉ፡+ ከምኡ ኸኣ ኣምላኽ ህዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኣይኬናግፎን እዩ” ኢሉ ደብዳበታት ጸሓፈ።+ 18 ነታ ኸተማ ምእንቲ ኺሕዝዋ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ዝነበሩ ህዝቢ የሩሳሌም ኬፍርህዎምን ኬሸብርዎምን ኢሎም፡ ዓው ኢሎም ብቛንቛ ኣይሁድ ይደሃዩ ነበሩ።+ 19 ኣንጻር ኣምላኽ የሩሳሌም ድማ፡ ከምቲ ኣንጻር እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝዀኑ ኣማልኽቲ ህዝብታት ምድሪ እተዛረብዎ ገይሮም ተዛረቡ። 20 ንጉስ ህዝቅያስን ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽን ግና፡ ብዛዕባ እዚ ይጽልዩን ናብ ሰማያት የእውዩን ነበሩ።+ 21 የሆዋ ኸኣ ሓደ መልኣኽ ሰዲዱ፡ ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ንዝነበረ ሓያል ጅግናን መራሕን ሓለቓን ዘበለ ዅሉ ኣጥፍአ፣+ ንሱ ኸኣ ተዋሪዱ ናብ ምድሩ ተመልሰ። ናብ ቤት* ኣምላኹ ምስ ኣተወ ድማ፡ ገለ ኻብቶም ደቁ ኣብኡ ብሰይፊ ቐተልዎ።+ 22 በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንህዝቅያስን ንነበርቲ የሩሳሌምን ካብ ኢድ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኵሎም ካልኦትን ኣድሓኖም፡ ኣብ ዙርያኦም እውን ዕረፍቲ ሃቦም። 23 ብዙሓት ከኣ ንየሆዋ ናብ የሩሳሌም መባእ ኣምጽኡሉ፣ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ክቡር ነገራት ኣምጽኡሉ፣+ ድሕርዚ ኸኣ፡ ንሱ ብዅሎም ኣህዛብ ኣዝዩ ተኸብረ። 24 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ፣ ናብ የሆዋ ምስ ጸለየ ድማ፡+ ንሱ መለሰሉ፡ ምልክት* እውን ሃቦ።+ 25 ህዝቅያስ ግና ልቡ ተዓበየ እምበር፡ ነቲ እተገብረሉ ጽቡቕ ብሞሳ ኣይመለሰን፣ እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቍጥዓ ኣምጽአ። 26 ግናኸ፡ ህዝቅያስ ልቡ ብምዕባዩ፡ ምስቶም ነበርቲ የሩሳሌም ኰይኑ ርእሱ ኣትሓተ፣+ ብዘመን ህዝቅያስ ድማ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ኣይመጸን።+ 27 ህዝቅያስ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ፣+ ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡራት ኣእማንን ንዘይቲ በለሳንን ንዋላቱን ንዅሉ ዓይነት ተባሃጊ ኣቕሑን ዚዀኖ ማዕከናት ገበረ።+ 28 ንእቶት እኽልን ንጕዕሽ ወይንን ንዘይትን ዚኸውን መኽዘናት፡ ንዅለን ዓይነት ማል ድማ ጋጻት፡ ንመጓሰ እውን ደምበታት ገበረ። 29 ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ጥሪት ሂብዎ ነበረ እሞ፡ ንዕኡ ዚኸውን ከተማታት ሰርሐ፣ ኣኺለን ዚተርፋ ማልን ጤለ በጊዕን ከብትን እውን ኣጥረየ። 30 ነቲ ላዕለዋይ ምንጪ ማያት ጊሖን+ ዓጊቱ፡ ናብ ምዕራብ ናብ ከተማ ዳዊት+ ዝኣለዮ ኸኣ ህዝቅያስ እዩ።+ ህዝቅያስ ድማ ኣብ ኵሉ ግብሩ ቐንዖ። 31 ኣፈኛታት መሳፍንቲ ባቢሎን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝዀነ ምልክት*+ ኪሓትትዎ ምስ መጹ፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፍትኖ ኢሉ፡+ ንዅሉ እቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ምእንቲ ኺፈልጦ፡ በይኑ ሓደጎ።+ 32 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ህዝቅያስን እቲ ብተኣማንነት ብዘርኣዮ ፍቕሩ ዝገበሮ ግብርታትን፡+ ንሱ ኣብቲ ራእይ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 33 ህዝቅያስ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብታ ናብ መቓብራት ደቂ ዳዊት እተደይብ ዓቐበት ድማ ቀበርዎ፣+ ኵሎም ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ከኣ ብሞቱ ኣኽበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ምናሴ ነገሰ። 7 ሰሎሞን ምጽላይ ምስ ወድአ ድማ፡+ ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ+ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፣ ነታ ቤት ከኣ ክብሪ የሆዋ መልኣ።+ 2 ክብሪ የሆዋ ነታ ቤት የሆዋ መሊእዋ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ናብ ቤት የሆዋ ኺኣትዉ ኣይከኣሉን።+ 3 ሓዊ ኺወርድ ከሎን ክብሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ከሎን፡ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ይርእዩ ነበሩ፣ ብገጾም ናብቲ እምኒ እተነጽፎ ምድሪ ፍግም ኢሎም ሰጊዶም፡ “ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ኢሎም ንየሆዋ ኣመስገንዎ። 4 ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡ።+ "5 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ 22,000 ከብትን 120,000 በጊዕን መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረበ። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መረቕዋ።+" 6 እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ ደው ኢሎም ነበሩ፣ እቶም ንየሆዋ ዚዝመር መዝሙር ዜሰኒ ናውቲ ዝሓዙ ሌዋውያን እውን ከምኡ።+ (ዳዊት ምሳታቶም* ኰይኑ ኺውድስ ከሎ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ” ተባሂሉ የሆዋ ኺምስገነሉ ኢሉ ንጉስ ዳዊት ነዚ ናውቲ እዚ ገይርዎ ነበረ።) እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም ዓው ኣቢሎም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፣+ ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ደው ኢሎም ነበሩ። 7 እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ መሰውኢ ነሓሲ+ ንዚሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ እኽልን+ ንስብሕታትን ዚኣክል ኣይነበረን እሞ፡+ ሽዑ፡ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ቤት የሆዋ ዘሎ ማእከል ኣጸድ ዚሓርር መስዋእትን+ ስብሕታት መስዋእቲ ሕብረትን ኬቕርብ ስለ ዝነበሮ፡ ንዕኡ ቐደሶ። 8 በታ ግዜ እቲኣ፡ ሰሎሞን ምስ ኵሉ እስራኤል፡ ማለት ካብ ለቦ-ሓማት* ክሳብ ርባ* ግብጺ+ ምስ እተኣከበ ኣዝዩ ዓብዪ ጉባኤ ሓቢሩ፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓለ።+ 9 ንመመረቕታ እቲ መሰውኢ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ንበዓል ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ ገይሮም ነበሩ እሞ፡ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ* ፍሉይ ኣኼባ ገበሩ።+ 10 ኣብ መበል 23 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፣ ንሳቶም ከኣ በቲ የሆዋ ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገር እናተሓጐሱን+ ልቦም ባህ ኢልዎምን ነናብ ቤቶም ከዱ።+ 11 በዚ ኸምዚ፡ ሰሎሞን፡ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን ወድአ፣+ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ቤት የሆዋን ብዛዕባ ቤቱን ኪገብር ንሰሎሞን ናብ ልቡ ዝመጾ ዘበለ ኸኣ ሰለጦ።+ 12 የሆዋ ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተራእዮ፡+ ከምዚ እውን በሎ፦ “ጸሎትካ ሰሚዐዮ ኣለኹ፣ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንዓይ ሓርየያ ኣለኹ።+ 13 ንሰማያት ምስ ዝዓጽዎ እሞ ዝናም ምስ ዘይህሉ፡ ጐደበ ንምድሪ ኺበልዓ ኸኣ ምስ ዝእዝዝ፡ ኣብ መንጎ ህዝበይ ድማ ለበዳ እንተ ሰዲደ፡ 14 እዞም ስመይ ኣባታቶም እተጸውዐ ህዝበይ+ ከኣ ትሕት እንተ ኢሎምን+ ገጸይ እንተ ደልዮምን ካብ ክፉእ መገዶም እንተ ተመሊሶምን፡+ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማያት ክሰምዕ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮም እውን ከሕውየሎም እየ።+ 15 ሕጂ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ፡ ኣእዛነይ እውን ኬድህባ እየን።+ 16 ሕጂ ድማ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይ ንሓዋሩ ኣብኣ ኪኸውን ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ፣+ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ወትሩ ኣብኣ ኪኸውን እዩ።+ 17 “ንስኻ ድማ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ብምግባር፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላሊስካ፡ ስርዓታተይን ፍርድታተይን እውን እንተ ሓሊኻ፡+ 18 ሽዑ ኣነ ኸምቲ ንኣቦኻ ዳዊት፡ ‘ካባኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’+ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ፡+ ዝፋን ንግስናኻ ኸጽንዕ እየ።+ 19 ግናኸ፡ ንስኻትኩም እንተ ተመሊስኩም፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕግታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓዲግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምዎምን እንተ ሰጊድኩምሎምን፡+ 20 ንእስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድረይ ክምንቍሶም እየ፣+ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፣ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መላገጽን ክገብራ እየ።+ 21 እዛ ቤት እዚኣ ኸኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ። ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ድማ ተገሪሙ ኺጥምታ፡+ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዚ ዝገበረን ስለምንታይ እዩ፧’ እውን ኪብል እዩ።+ 22 ሽዑ፡ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም+ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎ፡+ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሓዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ።+ ስለዚ እዩ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሊኦም ዘምጽአ’+ ኺብሉ እዮም።” 12 ንግስና ሮብዓም ምስ ጸንዐ፡+ ንሱ ኸኣ ምስ በርትዐ፡ ሕጊ የሆዋ ሓደገ፡+ ኵሎም እስራኤል እውን ምስኡ ኸምኡ ገበሩ። 2 ንሳቶም ንየሆዋ ስለ ዝጠለምዎ ድማ፡ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ንጉስ ሮብዓም፡ ሺሻቅ+ ንጉስ ግብጺ ኣንጻር የሩሳሌም ደየበ። "3 ንሱ ኸኣ 1,200 ሰረገላን 60,000 ፈረሰኛታትን ምስኡ ኻብ ግብጺ ዝመጹ ቝጽሪ ዘይብሎም ሰራዊትን፡—ሊብያውያንን ሱኪምን ኢትዮጵያውያንን፡+—ነበርዎ።" 4 ነተን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ሒዙ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ። 5 ነብዪ ሸማዕያ+ ኸኣ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ብሰንኪ ሺሻቅ ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ መሳፍንቲ ይሁዳን መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንስኻትኩም ሓዲግኩምኒ ኢኹም፣ ኣነ እውን ኣብ ኢድ ሺሻቅ ሓዲገኩም እየ’” በሎም።+ 6 ሽዑ፡ እቶም መሳፍንቲ እስራኤልን እቲ ንጉስን ርእሶም ኣትሓቱ፡+ “የሆዋ ጻድቕ እዩ” ድማ በሉ። 7 የሆዋ ኸኣ ርእሶም ከም ዘትሓቱ ምስ ረኣየ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ሸማዕያ መጸ፦ “ርእሶም ኣትሒቶም እዮም። ኣነ ድማ ኣይከጥፍኦምን እየ፡+ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ ከናግፎም እየ። ቍጥዓይ ብኢድ ሺሻቅ ኣብ የሩሳሌም ኣይክኽዑን እየ። 8 ግናኸ፡ ኣብ መንጎ ተገዛእተይ ምዃንን ተገዛእቲ ነገስታት* ካልኦት ሃገራት ምዃንን ዘሎ ፍልልይ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ገላዉኡ ኪዀኑ እዮም።” 9 ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ኸኣ ኣንጻር የሩሳሌም ደየበ። መዛግብቲ ቤት የሆዋን+ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ድማ ወሰደ። ኵሉ ነገራት፡ እንተላይ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዋላቱ ወርቂ እውን ወሰደ።+ 10 ንጉስ ሮብዓም ከኣ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ነሓሲ ገበረ፣ ነዚ ድማ ንኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ሓለውቲ* ብሕድሪ ሃቦም። 11 ንጉስ ናብ ቤት የሆዋ ምስ ዚመጽእ፡ እቶም ሓለውቲ መጺኦም ነዚ ይጾርዎ ነበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ክፍሊ ሓለውቲ ይመልስዎ ነበሩ። 12 ንጉስ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኻብኡ ተመልሰ፡+ ፈጺሙ እውን ኣየጥፍኦምን።+ ኣብ ይሁዳ እውን ጽቡቕ ነገር ተረኺቡ ነበረ።+ 13 ንጉስ ሮብዓም ኣብ የሩሳሌም ስልጣኑ ኣደልደለን ነገሰን። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 41 ዓመት ነበረ፣ ኣብታ የሆዋ ስሙ ኼንብረላ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኸተማ የሩሳሌም ከኣ 17 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ናዓማ እዩ፣ ንሳ ዓሞናዊት እያ።+ 14 ንሱ ግና ንየሆዋ ኺደልዮ ብልቡ ኣይቈረጸን እሞ፡ ክፉእ ገበረ።+ 15 ታሪኽ ሮብዓም ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ ቃላት ነብዪ ሸማዕያን+ ዒዶ+ እቲ ብዓል ራእይን ኣብ መዝገብ ወለዶ ተጻሒፉዶ የሎን፧ ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ውግእ ነበረ።+ 16 ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት+ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣብያ+ ነገሰ። 1 ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ድማ ኣብ ንግስናኡ እናበርትዐ ኸደ፣ የሆዋ ኣምላኹ ኸኣ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ እውን ኣዕበዮ።+ 2 ሰሎሞን ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል፡ ናብ ኣሕሉቕ ሽሕን ናብ ኣሕሉቕ ሚእትን ናብ ፈራዶን ናብ ኵሎም ሹማምንቲ ብዘሎ እስራኤልን ናብ ርእስታት ማይ ቤትን ለኣኸ። 3 ሽዑ፡ ሰሎሞንን ኵሉ እቲ ጉባኤን፡ እቲ ሙሴ ጊልያ የሆዋ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ድንኳን ምርኻብ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ+ ከዱ። 4 ግናኸ፡ ዳዊት ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ናብታ ዳዊት ዘዳለወሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ።+ 5 እቲ በሳልኤል+ ወዲ ኡሪ ወዲ ሑር ዝገበሮ መሰውኢ ነሓሲ+ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደር የሆዋ ተነቢሩ ነበረ፣ ሰሎሞንን እቲ ጉባኤን ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ይጽልዩ* ነበሩ። "6 ሰሎሞን ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ሰውአ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ድንኳን ምርኻብ መሰውኢ ነሓሲ+ ኸኣ 1,000 ዚሓርር መስዋእቲ ሰውአ። " 7 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፣ “እንታይ ክህበካ ኸም እትደሊ ለምን” ከኣ በሎ።+ 8 ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ንኣቦይ ዳዊት ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ፡+ ኣብ ክንዳኡ እውን ኣንጊስካኒ ኢኻ።+ 9 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ዝምብዛሑ ህዝቢ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡+ እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ተስፋ እሙን ይኹን።+ 10 ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧+ ሕጂ እምበኣር፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽመርሕሲ፡* ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ።”+ 11 ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “እዚ ነገር እዚ ትምኒት ልብኻ ስለ ዝዀነ፡ ሃብቲ፡ ጥሪት፡ ክብሪ፡ ወይ ሞት* ጸላእትኻ ስለ ዘይለመንካ፡ ንርእስኻ እውን ነዊሕ ዕድመ* ስለ ዘይለመንካ፡ የግዳስ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ንምፍራድ ጥበብን ፍልጠትን ስለ ዝለመንካ፡+ 12 ጥበብን ፍልጠትን ኪውሃበካ እዩ፣ ከምኡ ድማ ቅድሜኻ ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም፡ ብድሕሬኻ ንዚትንስኡ እውን ዘይህልዎም ሃብትን ጥሪትን ክብርን ክህበካ እየ።”+ 13 ሰሎሞን ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ፡+ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ነገሰ። "14 ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ኣፍራስን* ኣከበ፣ 1,400 ሰረገላን 12,000 ፈረስን*+ ከኣ ነበርዎ፣ ኣብ ከተማታት ሰረገላን+ ኣብ ጥቓ ንጉስ ኣብ የሩሳሌምን ድማ ኣቐመጦም።+" 15 ንጉስ ከኣ ንብሩርን ንወርቅን ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ዝምብዛሑ ገበሮ፣+ ንዕንጨይቲ ቄድሮስ እውን ኣብ ሼፈላ ኸም ዘሎ ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።+ 16 ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ ይኣትዉ ነበሩ፣+ ጕጅለ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ንኣፍራስ ብሕደ ዋጋ ብመጓሰ የምጽኡ ነበሩ።*+ 17 ካብ ግብጺ ዚኣቱ ዝነበረ ሰረገላ፡ ነንሓደ 600 ብሩር፡ ሓደ ፈረስ ድማ 150 የውጽእ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ ኵሎም ነገስታት ሔታውያንን ነገስታት ሶርያን ይሰድዱ ነበሩ። 36 ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ንዮኣሓዝ+ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገስዎ።+ 2 ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 23 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ። 3 ግናኸ፡ ንጉስ ግብጺ ኣብ የሩሳሌም ካብ ስልጣኑ ኣውረዶ፡ ነታ ምድሪ ድማ 100 ታለንት* ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን መቕጻዕቲ ኽትከፍል ሰልዓላ።+ 4 ንጉስ ግብጺ ኸኣ ንኤልያቂም ሓው ዮኣሓዝ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ፣ ስሙ ድማ ናብ ዮያቂም ለወጦ። ኔኮ+ ኸኣ ንሓዉ ዮኣሓዝ ወሲዱ ናብ ግብጺ ኣምጽኦ።+ 5 ዮያቂም+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 11 ዓመት ነገሰ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ።+ 6 ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ብኽልተ መቝሕ ነሓሲ ኣሲሩ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ ኢሉ ኣንጻሩ ደየበ።+ 7 ነቡካድነጻር ድማ ገለ ኻብ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ናብ ባቢሎን ወሰደ፡ ኣብ ቤተ መንግስቱ ኣብ ባቢሎን ከኣ ኣንበሮ።+ 8 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮያቂም፡ እቲ ዝገበሮ ፍንፉን ነገራትን እንታይ ከም እተረኽቦን፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጻሒፉ ኣሎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮያኪን ነገሰ።+ 9 ዮያኪን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 18 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ነገሰ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ።+ 10 ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ንዕኡ ምስቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኽቡር ኣቕሑ+ ናብ ባቢሎን ኬምጽእዎ ለኣኸ።+ ንጼዴቅያስ ሓው ኣቦኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ።+ 11 ጼዴቅያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 21 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 11 ዓመት ነገሰ።+ 12 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኹ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ኣብ ቅድሚ እቲ ብትእዛዝ የሆዋ ዚዛረብ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሓተን።+ 13 ካብቲ ብኣምላኽ ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ዓለወ፣+ ነቓጽን* ተሪር ዝልቡን ኰነ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እውን ምምላስ ኣበየ። 14 ኵሎም እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ህዝብን ከኣ ከም ኵሉ ፍንፉን ነገራት ኣህዛብ ብዙሕ ጥልመት ገበሩ፣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝቐደሳ ቤት የሆዋ ድማ ኣርከስዋ።+ 15 የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝራሕርሓሎም፡ ብልኡኻቱ ገይሩ የጠንቅቖም፡ ደጋጊሙ የጠንቅቖም ነበረ። 16 ንሳቶም ግና ነድሪ የሆዋ ናብ ህዝቡ ኽሳዕ ዚመጽእ፡+ ኪሓውዩ ዘይክእሉ ኽሳዕ ዚዀኑ፡ ንልኡኻት እቶም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡+ ንቓሉ ኸኣ ነዓቕዎ፡+ ንነብያቱ እውን ኣባጨዉሎም።+ 17 ስለዚ፡ ንንጉስ ከለዳውያን ኣንጻሮም ኣደየቦ፣+ ንሱ ኸኣ፡ ኣጕባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም+ ብሰይፊ ቐተለ፣+ ንጐበዝ ኰነ ንድንግል፡ ንዓብዪ ዀነ ንኣረጊት ኣይራሕርሐን።+ ኣምላኽ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ።+ 18 ዓብይን ንእሽቶን ዘበለ ዅሉ ኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ንጉስን መሳፍንቱን፡ ኰታስ ኵሉ ናብ ባቢሎን ወሰደ።+ 19 ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንደዳ፡+ ንመካበብያ የሩሳሌም ኣፍረሶ፡+ ንዅሉ እተዓርደ ግምብታታ ብሓዊ ኣንደዶ፡ ኵሉ ኽቡር ነገር ድማ ኣጥፍአ።+ 20 ነቶም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ+ ኸኣ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም፣ መንግስቲ* ፋርስ ክሳዕ እትነግስ+ ድማ ንዕኡን ንደቁን ገላዉ ዀኑ።+ 21 እዚ ኸኣ እቲ ብኤርምያስ እተዘርበ ቓል የሆዋ ኽሳዕ ዚፍጸም፡+ እታ ምድሪ ድማ ሰናብታ ኽሳዕ እትኸፍል ኰነ።+ ብዅለን እተን ባዲማትለን ዝነበረት መዓልትታት፡ 70 ዓመት ንምምላእ፡ ሰናብቲ ሓለወት።+ 22 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ቂሮስ+ ንጉስ ፋርስ፡ እቲ ብኤርምያስ እተዘርበ ቓል የሆዋ+ ምእንቲ ኺፍጸም፡ የሆዋ ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ ብዘላ መንግስቱ እቲ ብጽሑፍ እውን ዝሰፈረ ኸምዚ ዚብል ኣዋጅ ኪእውጅ ኣለዓዓሎ፦+ 23 “ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ መንግስትታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ ኣሎ፣+ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ እውን መዚዙኒ ኣሎ።+ ካብ ህዝቡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዘበለ፡ የሆዋ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ ይደይብ።’”+ 29 ህዝቅያስ+ ወዲ 25 ዓመት ከሎ ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኣብያ እዩ፣ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።+ 2 ንሱ ድማ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 3 ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ነተን መዓጹ ቤት የሆዋ ኸፈተንን ጸገነንን።+ 4 ንኻህናትን ንሌዋውያንን ኣምጺኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ብምብራቕ ዘሎ ኣደባባይ ኣከቦም። 5 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሌዋውያን፡ ስምዑኒ። ተቐደሱ፡+ ነዛ ቤት የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም እውን ቀድስዋ፣ ርኽሰት ዘበለ ድማ ካብ መቕደስ ኣርሕቑ።+ 6 ኣቦታትናስ ጠሊሞም፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኽና ኸኣ ክፉእ ገይሮም እዮም።+ ንዕኡ ሓዲጎም ከኣ፡ ገጾም ካብ ማሕደር የሆዋ ንንየው መሊሶም፡ ዝባኖም እውን መሊሶም እዮም።+ 7 መዓጹ እቲ ገበላ ድማ ዓጽዮም፡+ ቀነዲል እውን ኣጥፊኦም እዮም።+ ኣብቲ መቕደስ ከኣ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ምዕጣንን+ ዚሓርር መስዋእቲ ምቕራብን ሓዲጎም እዮም።+ 8 ስለዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን መጺኡ ኣሎ፣+ ከምዚ ብኣዒንትኹም ክትርእይዎ እትኽእሉ ኸኣ፡ መሰክሕን መደመምን መፋጸይን* ገይርዎም ኣሎ።+ 9 እንሆ ድማ ብሰንኪ እዚ፡ ኣቦታትና ብሰይፊ ወዲቖም፡+ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ኣንስትናን ድማ ተማሪኾም ኣለዉ።+ 10 ሕጂ፡ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኻባና ምእንቲ ኺምለስ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ትምኒት ልበይ እዩ።+ 11 ኣቱም ደቀየ፡ የሆዋ ኣብ ቅድሚኡ ኽትቈሙን ኣገልገልቱ ዄንኩም ከተገልግልዎን+ ክትዓጥኑሉን ሓርዩኩም እዩ እሞ፡+ ሕጂ ሸለልተኛታት እትዀኑሉ* ግዜ ኣይኰነን።” 12 ሽዑ፡ እቶም ሌዋውያን ተንስኡ፣ ንሳቶም ከኣ ካብ ቀሃታውያን፡+ ማሓት ወዲ ዓማሳይን ዮኤል ወዲ ዓዛርያን፣ ካብ መራራውያን፡+ ቂስ ወዲ ዓብዲን ዓዛርያ ወዲ የሃልኤልን፣ ካብ ጌርሾናውያን፡+ ዮኣሕ ወዲ ዚማን ኤደን ወዲ ዮኣሕን፣ 13 ካብ ደቂ ኤሊጻፋን፡ ሺምሪን የዑኤልን፣ ካብ ደቂ ኣሳፍ፡+ ዘካርያስን ማታንያን፣ 14 ካብ ደቂ ሄማን፡+ የሒኤልን ሺምዒን፣ ካብ ደቂ የዱቱን፡+ ሸማዕያን ዑዚኤልን ነበሩ። 15 ንኣሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ፣ ከምቲ ንጉስ ብቓል የሆዋ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ንቤት የሆዋ ኼንጽህዋ መጹ።+ 16 እቶም ካህናት ድማ ኬንጽሁ ናብ ውሽጢ ቤት የሆዋ ኣተዉ፣ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝረኸብዎ ርኽሰት ከኣ ናብ ኣጸድ+ ቤት የሆዋ ኣውጽእዎ። እቶም ሌዋውያን ድማ ንዕኡ ወሲዶም ናብ ወጻኢ ናብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣውጽእዎ።+ 17 በዚ ኸምዚ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኪቕድሱ ጀመሩ፣ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ኸኣ፡ ናብ ገበላ የሆዋ በጽሑ።+ ንቤት የሆዋ ድማ ኣብ ሸሞንተ መዓልቲ ቐደስዋ፣ ኣብ መበል 16 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኸኣ ወድኡ። 18 ድሕሪኡ፡ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ኣትዮም ከምዚ በልዎ፦ “ንብዘላ ቤት የሆዋን ነቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን+ ንዅሉ ኣቕሑኡን+ ነቲ ሰደቓ እተደራረበ እንጌራን*+ ንዅሉ ኣቕሑኡን ኣንጺህናዮ ኣለና። 19 ኵሉ እቲ ንጉስ ኣሓዝ ብግዜ ንግስናኡ ኺጠልም ከሎ ዝደርበዮ ኣቕሑ፡+ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን ኣለና፣+ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ ድማ ኣሎ።” 20 ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ንመሳፍንቲ እታ ኸተማ ኣከቦም፣ ናብ ቤት የሆዋ ድማ ደየቡ። 21 ምእንቲ እታ መንግስትን ምእንቲ እቲ መቕደስን ምእንቲ ይሁዳን መስዋእቲ ሓጢኣት ኪኸውን ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸልን ሸውዓተ ድቤላን ኣምጽኡ።+ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የሆዋ ኬቕርብዎም ኣዘዞም። 22 ነቶም ከብቲ ድማ ሓረድዎም፣+ እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ደም ወሲዶም ኣብቲ መሰውኢ ነጸግዎ፣+ ድሕሪኡ፡ ነቶም ደዓውል ሓሪዶም፡ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ነጸግዎ፣ ነቶም ገንሸላት ሓሪዶም ከኣ፡ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ነጸግዎ። 23 ነቶም ወጣጡ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ናብ ቅድሚ እቲ ንጉስን እቲ ጉባኤን ኣምጽእዎም፡ ኣእዳዎም እውን ኣብ ልዕሊኦም ኣንበሩ። 24 እቶም ካህናት ከኣ ሓረድዎም፣ ንዅሉ እስራኤል ንምትዕራቕ ድማ ብደሞም ኣብቲ መሰውኢ መስዋእቲ ሓጢኣት ገበሩ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ፡ እቲ ዚሓርር መስዋእትን እቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ንዅሉ እስራኤል ኪኸውን ኢሉ ነበረ። 25 እቲ ትእዛዝ ካብ የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ ነበረ እሞ፡ ብትእዛዝ ዳዊትን+ ጋድ+ እቲ ናይ ንጉስ ብዓል ራእይን ነብዪ ናታንን፡+ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት የሆዋ ጸናጽል ሸሓንን በገናታትን መሰንቆታትን* ኣትሒዙ ኣቘሞም።+ 26 እቶም ሌዋውያን ድማ ናውቲ ዳዊት ሒዞም፡ እቶም ካህናት እውን መለኸታት ሒዞም ቈይሞም ነበሩ።+ 27 ህዝቅያስ ከኣ፡ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኪቐርብ ኣዘዘ።+ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ምስ ጀመረ፡ መዝሙር የሆዋ ጀመረ፡ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ናውቲ ዝሃቦ መምርሒ ብምስዓብ እውን እቲ መለኸታት ጀመረ። 28 ብዘሎ እቲ ጉባኤ ኸኣ እቲ መዝሙር ኪዝመርን እቲ መለኸታት ኪንፋሕን ከሎ፡ ይሰግድ ነበረ፣ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ እዚ ዅሉ ቐጸለ። 29 መስዋእቲ ምቕራብ ምስ ወድኡ ድማ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ፍግም ኢሎም ሰገዱ። 30 ንጉስ ህዝቅያስን እቶም መሳፍንትን ከኣ ነቶም ሌዋውያን ብቓላት ዳዊትን+ ኣሳፍ+ እቲ ብዓል ራእይን ንየሆዋ ኺውድስዎ ኣዘዝዎም። ንሳቶም ድማ ብዓብዪ ታሕጓስ ውዳሰ ኣቕረቡ፡ ፍግም ኢሎም እውን ሰገዱ። 31 ህዝቅያስ ከኣ፡ “ሕጂ ንየሆዋ ኻብ ተፈለኹም፡* ንዑ፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ናብ ቤት የሆዋ ኣምጽኡ” በሎም። እቲ ጉባኤ ድማ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምጽአ፣ ፍቶት ልቢ ዘለዎ ዅሉ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረበ።+ 32 እቲ ጉባኤ ዘምጽኦ ቝጽሪ ዚሓርር መስዋእቲ፡ 70 ኸብትን 100 ድዑልን 200 ገንሸልን ነበረ፣ እዚ ዅሉ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ነበረ።+ "33 እቲ ቕዱስ መባእ ድማ፡ 600 ኸብትን 3,000 ጤለ በጊዕን ነበረ።" 34 ግናኸ፡ ንዅሉ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ንምጥባሕ እኹላት ካህናት ኣይነበሩን፣ ስለዚ፡ እቲ ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእን እቶም ካህናት ክሳዕ ዚቕደሱን+ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓገዝዎም።+ ከመይሲ፡ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ብዝያዳ ገዛእ ርእሶም ንምቕዳስ ጥንቁቓት* ነበሩ። 35 ብዙሕ ዚሓርር መስዋእትን+ ስብሒ መስዋእቲ ሕብረትን+ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቲ መስተን+ እውን ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ኣገልግሎት ቤት የሆዋ ናብ ቀደሙ ተመልሰ።* 36 እዚ ዅሉ ብሃንደበት እዩ ዝዀነ እሞ፡ ህዝቅያስን ኵሎም እቶም ህዝብን በቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ዘዳለወሉ ነገር ተሓጐሱ።+ 28 ኣሓዝ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 20 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ቅኑዕ ኣይገበረን።+ 2 ብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ተመላለሰ፣+ አረ ፍሱስ ምስሊ+ በዓላት እውን ገበረ። 3 ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም* ከኣ ዓጠነ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባር እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ+ እውን ደቁ ብሓዊ ኣንደደ።+ 5 ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኹ ኣብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኣሕሊፉ ሃቦ፣+ ንሳቶም ከኣ ሰዓርዎ እሞ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ምሩኻት ማሪኾም ናብ ደማስቆ ኣምጽእዎም።+ ንሱ እውን ኣብ ኢድ ንጉስ እስራኤል ተዋህበ፣ ንሱ ድማ ንዕኡ ወቒዑ ብዙሓት ቀተለሉ። "6 ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎ ኸኣ፡ ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ ኣብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ 120,000 ቀተለ፣ ኵላቶም ተባዓት ሰባት ነበሩ።+" 7 ዚክሪ ዚብሃል ኤፍሬማዊ ጅግና ድማ ንማዓስያ ወዲ ንጉስን ንዓዝሪቃም እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ* ሓላፍነት ዝነበሮን ንኤልቃና እቲ ኻልኣዩ ንንጉስን ቀተሎም። "8 እቶም እስራኤላውያን ከኣ ካብ ኣሕዋቶም 200,000 ኣንስትን ኣወዳትን ኣዋልድን ማረኹ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ዘሚቶም ድማ፡ ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ+ ወሰድዎ። " 9 ዖዴድ ዝስሙ ነብዪ የሆዋ ግና ኣብኣ ነበረ። ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ እቲ ናብ ሰማርያ ዚመጽእ ዝነበረ ሰራዊት ወጺኡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ንይሁዳ ስለ እተቘጥዖ፡ ንዓታቶም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም፣+ ንስኻትኩም ከኣ ክሳዕ ሰማያት ብዚበጽሕ ነድሪ ቐቲልኩምዎም። 10 ሕጂ ድማ ነቶም ህዝቢ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ገላዉኹምን ኣግራድኩምን ክትገብርዎም ትሓስቡ ኣለኹም።+ ግናኸ፡ ንስኻትኩም እውንዶ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም በደልቲ ኣይኰንኩምን፧ 11 ሕጂ ኸኣ ስምዑኒ፡ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኣሎ እሞ፡ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።” 12 ሽዑ፡ ገለ ኻብቶም ኣሕሉቕ ኤፍሬማውያን፡ ዓዛርያ ወዲ ዮሓናንን በረክያ ወዲ መሺለሞትን የሒዝቅያ ወዲ ሻሉምን ዓማሳ ወዲ ሓድላይን፡ ነቶም ካብ ወተሃደራዊ ወፈራ ዝመጹ ተቓወምዎም፡ 13 “ኣብ ቅድሚ የሆዋ በደልቲ ኺገብረና እዩ እሞ፡ ነዞም ምሩኻት ናብዚ ኣይተምጽእዎም። በደልናስ ድሮ ዓብዪ እዩ፡ ኣብ እስራኤል እውን ዚነድድ ቍጥዓ ኣሎ እሞ፡ እዚ ኽትገብርዎ ዝሓሰብኩም፡ ንሓጢኣትናን ንበደልናን ኪውስኸሉ እዩ” ድማ በልዎም። 14 እቶም ዕጡቓት ተዋጋእቲ ኸኣ ነቶም ምሩኻትን ነቲ ዝማትን+ ኣብ ኢድ እቶም መሳፍንትን ብዘሎ እቲ ጉባኤን ሓደግዎ። 15 እቶም ብስሞም እተሰምዩ ሰባት ድማ ተንሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፣ ካብቲ ምርኮ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ዕሩቓት፡ ክዳውንቲ ሃብዎም። ከዲኖም ድማ፡ ኣሳእንን ምግብን መስተን ዚልከይዎ ዘይትን ሃብዎም። ነቶም ድኹማት ኣብ ኣእዱግ ኣወጢሖም ከኣ ናብ ኣሕዋቶም ናብታ ኸተማ ኣእዋም ተምሪ ዝዀነት ያሪኮ ኣብጽሕዎም። ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማርያ ተመልሱ። 16 በታ ግዜ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓዝ ንነገስታት ኣሶር ኪረድእዎ ሓተቶም።+ 17 ኤዶማውያን ከኣ መሊሶም ንይሁዳ ወሪሮም ኣጥቅዕዋ፡ ምሩኻት እውን ማረኹ። 18 ፍልስጥኤማውያን+ እውን ኣብ ከተማታት ሼፈላን+ ነጌብን ይሁዳ ወሪሮም፡ ንቤት-ሸመሽን+ ንኣያሎንን+ ንገደሮትን ንሶኮን ዓድታታን ንቲምናን+ ዓድታታን ንጊምዞን ዓድታታን ሓዝወን፣ ኣባታተን ድማ ተቐመጡ። 19 ኣሓዝ ንጉስ እስራኤል ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሓደጋ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ጥልመት ስለ እተገብረ፡ የሆዋ ብሰንኩ ንይሁዳ ኣዋረዳ። 20 ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣንጻሩ መጸ፣ ኣብ ክንዲ ዜበርትዖ ኸኣ፡ ኣጨነቖ።+ 21 ኣሓዝሲ ነታ ቤት የሆዋን ነታ ቤት* ንጉስን+ ንኣባይቲ መሳፍንትን ገፊፉ፡ ንንጉስ ኣሶር ህያብ ሃቦ፣ ግናኸ፡ እዚ ኣይሓገዞን። 22 ንጉስ ኣሓዝ ከኣ ብግዜ ጭንቁ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ብዝያዳ ጠለሞ። 23 ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ድማ ሰውኣሎም፣+ “ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ ንዓታቶም ስለ ዝሓገዝዎም፡ ምእንቲ ኺሕግዙኒ፡ ክስውኣሎም እየ” ኸኣ በለ።+ ግናኸ፡ ንዕኡን ንዅሎም እስራኤልን መዐንቀፊ ዀንዎም። 24 ኣሓዝ ድማ ንኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣከቦ፣ ድሕሪኡ፡ ንኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ቈራረጾ፡+ መዓጹ ቤት የሆዋ ዓጸዎ፡+ ኣብ ኵሉ መኣዝን የሩሳሌም ከኣ ንርእሱ መሰውኢታት ገበረ። 25 ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንምዕጣን በረኽቲ ገበረ፣+ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ኸኣ ኣዀረዮ። 26 እቲ ዝተረፈ ታሪኹ፡ ኵሉ ግብርታቱ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 27 ኣሓዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ናብ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን እሞ፡ ኣብታ ኸተማ ኣብ የሩሳሌም ቀበርዎ።+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ። 8 ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ንቤት የሆዋን ንቤቱን* ዝሃነጸለን 20 ዓመት፡+ 2 ሰሎሞን ነተን ሒራም+ ንሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ዳግም ሰርሐን፣ ንእስራኤላውያን* ከኣ ኣብአን ኣስፈሮም። 3 ሰሎሞን ድማ ናብ ሓማት-ጾባ ኸይዱ ሓዛ። 4 ኣብ በረኻ ኸኣ ንታድሞር ሰርሓ፣* ንዅለን እተን ኣብ ሓማት+ እተሰርሓ ኸተማታት መኽዘን እውን ሰርሐን።+ 5 ንላዕለዋይ ቤት-ሖሮንን+ ንታሕተዋይ ቤት-ሖሮንን+ ድማ፡ መካበብያን መዓጹን ተገዳማትን ዘለወን እተዓርዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሐን፣ 6 ንበዓላትን+ ንዅለን ናይ ሰሎሞን ከተማታት መኽዘንን ንዅለን ከተማታት ሰረገላታትን+ ንኸተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵላ ምድሪ ግዝኣቱን ኪሰርሖ እተመነዮ ዘበለን ከኣ ሰርሐ። 7 ኵሎም እቶም ካብ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን+ ዝተረፉ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ዘይኰኑ ህዝቢ፡+ 8 እቶም እስራኤላውያን ዘየጽነትዎም+ ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ዘርኦም፡ ሰሎሞን ንዓታቶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ገበሮም።+ 9 እስራኤላውያን ግና ተዋጋእቱን ኣሕሉቕ ሓገዝቱን ኣሕሉቕ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ነበሩ እምበር፡+ ሰሎሞን ካባታቶም ንዕዮኡ ባሮት ኣይገበረን።+ 10 ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ኣዘዝቲ፡ 250 ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኣሕሉቕ ሓለፍቲ ነበሩ።+ 11 ሰሎሞን ድማ ንጓል ፈርኦን+ ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ዝሃነጸላ ቤት ኣደየባ፣+ ከመይሲ፡ “እተን ታቦት የሆዋ ዝኣተወን ቦታታት ቅዱሳት ስለ ዝዀና፡ ሰበይተይ እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ክትቅመጥ የብላን” ኢሉ ነበረ።+ 12 ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ገበላ+ ዝሰርሖ መሰውኢ+ የሆዋ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ንየሆዋ ኣቕረበ።+ 13 ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ ብሰናብቲ፡+ ብሰርቅታት ወርሒ፡+ በቲ ምዱብ በዓላት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት፡+ ማለት ብበዓል ቅጫን+ ብበዓል ሰሙናትን+ ብበዓል ዳስን፡+ ነንመዓልቲ ዚግባእ ልማድ ስዒቡ ይስውእ ነበረ። 14 ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝሰርዖ ኸኣ፡ ነቶም ክፍልታት ካህናት+ ኣብ ኣገልግሎቶም፡ ነቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኻህናት ከምቲ መዓልታዊ ልማዶም ኪውድሱን+ ኬገልግሉን ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ፡ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ እውን ኣብ ክፍልታቶም ኣብ እተፈላለየ ኣፍ ደገታት+ ሸሞም፣ ከመይሲ፡ ዳዊት እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከምኡ ኣዚዙ ነበረ። 15 ካብቲ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ወይ ብዛዕባ ማዕከናት እተዋህበ ትእዛዝ ንጉስ ድማ ኣየላገሱን። 16 ስለዚ፡ ዕዮ ሰሎሞን፡ ካብታ መሰረት ቤት የሆዋ እተሰረተትላ+ መዓልቲ ኣትሒዙ ኽሳዕ እታ እተፈጸመትላ፡ ኵሉ ብግቡእ እተወደበ ነበረ።* ቤት የሆዋ ኸኣ ተወድአት።+ 17 ሽዑ፡ ሰሎሞን ናብተን ኣብ ገምገም ባሕሪ ምድሪ ኤዶም ዘለዋ ዔጽዮን-ገበርን+ ኤሎትን+ ከደ።+ 18 ሒራም+ ድማ ብገላዉኡ ገይሩ መራኽብን ምኩራት ባሕረኛታትን ሰደደሉ፣ ንሳቶም ከኣ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ናብ ኦፊር+ ከይዶም፡ ካብኣ 450 ታለንት* ወርቂ+ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምጽእዎ።+ "11 ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ኪመልስዋ ኢሉ፡ ብኡብኡ ንቤት ይሁዳን ብንያምን፡+ 180,000 ዕሉማት* ተዋጋእቲ፡ ኣኽተተ።+" 2 ግናኸ፡ ሸማዕያ+ ናብ ዚብሃል ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸ፦ 3 “ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ንጉስ ይሁዳን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ንዘለዉ ዅሎም እስራኤልን ከምዚ በሎም፦ 4 ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ ኣሕዋትኩም ክትዋግኡ ኣይትደይቡ። እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ።”’”+ ንሳቶም ከኣ ቃል የሆዋ ተኣዚዞም ተመልሱ፡ ኣንጻር የሮብዓም እውን ኣይከዱን። 5 ሮብዓም ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፣ ኣብ ይሁዳ ኸኣ እተዓርዳ ኸተማታት ሰርሐ። 6 በዚ ኸምዚ፡ ንቤት-ልሄምን+ ንዔጣምን ንተቆዓን+ ሰርሐን፣* 7 ንቤት-ጹርን ንሶኮን+ ንዓዱላምን+ 8 ንጋትን+ ንማረሻን ንዚፍን+ 9 ንኣዶራዪምን ንላኪሽን+ ንዓዜቃን+ 10 ንጾርዓን ንኣያሎንን+ ንኬብሮንን+ እውን ሰርሐን፣* እዚኣተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዚርከባ እተዓርዳ ኸተማታት ነበራ። 11 ነቲ ዕርድታት ኣጽኒዑ ድማ፡ ኣብኡ ኣዘዝቲ ኣንበረ፣ ምግብን ዘይትን ወይንን ከኣ ሃቦም፣ 12 ንዅለን እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ዋላቱን ሕላሳትን ሃበን፣ ኣዝዩ እውን ኣጽንዐን። ይሁዳን ብንያምን ከኣ ናቱ ዀና። 13 እቶም ኣብ ኵላ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ድማ፡ ካብ ኵሉ ዓድታቶም መጺኦም ኣብ ጐድኑ ቘሙ። 14 የሮብዓምን ደቁን ነቶም ሌዋውያን፡ ካህናት ኰይኖም ንየሆዋ ኸየገልግሉ ስለ ዝሰጐጕዎም፡ ንሳቶም መጓሰይኦምን ርስቶምን+ ሓዲጎም ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን መጹ።+ 15 የሮብዓም ከኣ ነቲ በረኽትን ነቶም ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንትን*+ ነቶም ንሱ ዝገበሮም ምራኹትን+ ናይ ርእሱ ኻህናት ሸመ።+ 16 ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኪደልይዎ ልቦም ዘንቀዱ ዘበሉ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪስውኡሉ ናብ የሩሳሌም ሰዓብዎም።+ 17 ሰለስተ ዓመት ብመገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ተመላሊሶም እዮም እሞ፡ ሰለስተ ዓመት ንንግስነት ይሁዳ ኣጽንዕዎ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ከኣ ደገፍዎ። 18 ሮብዓም ከኣ ንማሓላት ሰበይቲ ኽትኰኖ ኣእተዋ፣ ንሳ ጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ጓል ኣቢሓይል ጓል ኤልያብ+ ወዲ እሴይን እያ። 19 ንሳ ድማ የዑሽን ሸማርያን ዛሃምን ዚብሃሉ ኣወዳት ወለደትሉ። 20 ድሕሪኣ ኸኣ፡ ንማዓካ ጓል ጓሉ ንኣቤሴሎም+ ተመርዓዋ። ንሳ ድማ ንኣብያን+ ንዓታይን ንዚዛን ንሸሎሚትን ወለደትሉ። 21 ሮብዓም ከኣ 18 ኣንስትን 60 ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ፡ 28 ኣወዳትን 60 ኣዋልድን ወሊዱ ነበረ፣ ግናኸ፡ ሓለፋ ዅለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ንማዓካ ጓል ጓሉ ንኣቤሴሎም የፍቅራ ነበረ።+ 22 ሮብዓም ድማ ንኣብያ ወዲ ማዓካ ኼንግሶ ሓሲቡ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ ርእስን መራሕን ገይሩ ሸሞ። 23 ብምስትውዓል* ከኣ ንገለ ኻብ ኣወዳቱ ናብ ኵለን ዞባታት ይሁዳን ብንያምን፡ ናብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ሰደዶም፣*+ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ሃቦም፡ ብዙሓት ኣንስቲ እውን ኣምጽኣሎም። 2 ሰሎሞን ድማ፡ ንስም የሆዋ ቤት፡+ ንመንግስቱ እውን ቤት* ኪህነጽ ኣዘዘ።+ "2 ሰሎሞን ከኣ፡ 70,000 ተራ ሸቃሎ፡* 80,000 እውን ወቐርቲ ኣእማን ኣብ ኣኽራን፡+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ 3,600 ሓለፍቲ ቘጸረ።+" 3 ሰሎሞን ከኣ ንሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦ “ከምቲ ንኣቦይ ዳዊት ዚነብረላ ቤት* ኪሰርሕ ከሎ ዕንጨይቲ ቄድሮስ ብምስዳድ ዝገበርካሉ፡ ንዓይ እውን ከምኡ ግበረለይ።+ 4 እንሆ፡ ኣነ ንስም የሆዋ ኣምላኸይ ንዕኡ እትቕደስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ዚዕጠነላ፡+ እተደራረበ እንጌራ* ወትሩ ዚግበረላ፡+ ንግሆን ምሸትን+ ብሰናብትን+ ብሰርቅታት ወርሕን+ ብበዓላት+ የሆዋ ኣምላኽናን ዚሓርር መስዋእቲ ዚስውኣላ ቤት እሃንጽ ኣለኹ። እዚ ንእስራኤል ናይ ሓዋሩ ግዴታ እዩ። 5 ኣምላኽና ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዚዓቢ እዩ እሞ፡ እታ ኣነ ዝሃንጻ ዘለኹ ቤት ዓባይ ክትከውን እያ። 6 ንዕኡ ቤት ኪሃንጸሉ ዚኽእልከ መን ኣሎ፧ ንዕኡስ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኺሕዝዎ ኣይክእሉን እዮም፣+ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኺዕጠነላ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ቤት ዝሰርሓሉ ኣነ መን እየ፧ 7 ሕጂ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሓስን+ ብሓጺንን ብጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ብድሙቕ ቀይሕን ብሰማያዊ ፈትልን ብምስራሕ ክኢላ ዝዀነ፡ ቅርጺ ምቕራጽ ከኣ ዚፈልጥ ኢደ ጥበበኛ ስደደለይ። ንሱ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ዘለዉ ኽኢላታት ኢደ ጥበበኛታተይ ኪሰርሕ እዩ።+ 8 ገላዉኻ ብምቝራጽ ኣእዋም ሊባኖስ ምኩራት ምዃኖም ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ እሞ፡ ካብ ሊባኖስ ኣዕጫው ቄድሮስን ጽሕድን*+ ሰንደልን+ እውን ስደደለይ።+ ገላዎይ ከኣ ምስ ገላዉኻ ኺዓይዩ፡+ 9 ብዙሕ ኣዕጫው እውን ኬዳልዉለይ እዮም፣ እታ ዝሃንጻ ቤትሲ ኣዝያ ዓባይ ክትከውን እያ። "10 እንሆ ድማ፡ ንገላዉኻ፡ ነቶም ኣእዋም ዚቘርጹ ቘረጽቲ ዕንጨይቲ ዚኸውን ምግቢ፡ 20,000 ቆሮስ* ስርናይን 20,000 ቆሮስ ስገምን 20,000 ባት* ወይንን 20,000 ባት ዘይትን ክህብ እየ።”+ " 11 ሒራም ንጉስ ጢሮስ ከኣ ንሰሎሞን፡ “የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዜፍቅሮ፡ ንዓኻ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ገይሩካ” ኢሉ መልእኽቲ ብጽሑፍ ለኣኸሉ። 12 ሒራም ድማ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “እቲ ሰማያትን ምድርን ዝገበረ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ምስትውዓልን ኣእምሮን ዘለዎ፡+ ንየሆዋ ቤት፡ ንመንግስቱ እውን ቤት ዚሃንጽ ጥበበኛ ወዲ ንንጉስ ዳዊት ስለ ዝሃቦ ይወደስ።+ 13 ሕጂ ኸኣ ሒራም-ኣቢ ዚብሃል ኣእምሮ ዘለዎ ኽኢላ ኢደ ጥበበኛ እሰድደልካ ኣለኹ፣+ 14 ንሱ ወዲ ሓንቲ ኻብ ኣዋልድ ዳን ዝዀነት ሰበይቲ እዩ፣ ኣቦኡ ድማ ጢሮሳዊ ሰብኣይ እዩ። ንሱ ብወርቅን ብብሩርን ብነሓስን ብሓጺንን ብኣእማንን ብኣዕጫውን ብጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ብሰማያዊ ፈትልን ብቕጭን ዓለባን ብድሙቕ ቀይሕን ናይ ምስራሕ ተመክሮ ኣለዎ።+ ኵሉ ዓይነት ቅርጺ ኪቐርጽን እተዋህቦ ዝዀነ ንድፊ ኺሰርሕን ይኽእል እዩ።+ ምስቶም ክኢላታት ኢደ ጥበበኛታትካን ምስ ናይ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ክኢላታት ኢደ ጥበበኛታትን ኪሰርሕ እዩ። 15 ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ጐይታይ ዘተስፈዎ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ንገላዉኡ ይስደደሎም።+ 16 ንሕና ድማ ካብ ሊባኖስ ከም ዜድልየካ ኣእዋም ክንቈርጽ ኢና፣+ ጠሚርና ኸኣ ብባሕሪ ናብ ያፎ* ኸነምጽኣልካ ኢና፣+ ንስኻ ድማ ናብ የሩሳሌም ተደይቦ።”+ "17 ሰሎሞን ከኣ ድሕሪ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቘጸሮም ቈጸራ፡+ ኣብ ምድሪ እስራኤል ንዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ሰብኡት ቈጸሮም፣+ 153,600 እውን ተረኽቡ።" "18 ንሱ ኸኣ ካባታቶም፡ 70,000 ተራ ሸቃሎ፡* 80,000 እውን ወቐርቲ ኣእማን+ ኣብ ኣኽራን፡ 3,600 ድማ ነቲ ህዝቢ ዜዕይይዎ ሓለፍቲ ገበረ።+" 26 ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ነቲ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ዑዝያ+ ወሲዶም፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።+ 2 ንጉስ* ምስ ኣቦታቱ ምስ ዓረፈ፡ ንሱ ንኤሎት+ ዳግም ሰርሓ፡ ናብ ይሁዳ እውን መለሳ።+ 3 ዑዝያ+ ኺነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 16 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 52 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የኮልያ እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።+ 4 ንሱ ኸምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 5 ብዘመን እቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪፈርሆ ዚምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ድማ፡ ንኣምላኽ ይደልዮ ነበረ። ኣብቲ ንየሆዋ ዚደልየሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የቕንዓሉ ነበረ።+ 6 ወጺኡ ኸኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፡+ መካበብያ ጋትን+ መካበብያ ያብነን+ መካበብያ ኣሽዶድን+ ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ክሊ ኣሽዶድን ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ከተማታት ሰርሐ። 7 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኣንጻር ፍልስጥኤማውያንን ኣንጻር እቶም ኣብ ጉርበዓል ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣዕራብን+ ኣንጻር መዑኒምን ይሕግዞ ነበረ። 8 እቶም ዓሞናውያን+ ከኣ ንዑዝያ ግብሪ ሃብዎ። ኣዝዩ በርቲዑ ነበረ እሞ፡ ዝናኡ ኽሳብ ግብጺ ተዘርግሐ። 9 ዑዝያ ድማ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ኣፍ ደገ መኣዝንን+ ኣብ ኣፍ ደገ ስንጭሮን+ ኣብ ደጋፍ መንደቕን ግምብታት ሃነጸ፡+ ኣጽንዖ እውን። 10 ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦ እሞ፡ ኣብ በረኻ ግምብታት ሃነጸ፡+ ብዙሕ መዕቘሪታት ማይ እውን ኰዓተ፣* ኣብ ሼፈላን ኣብ ጐልጐልን* እውን ከምኡ ገበረ። ሕርሻ ይፈቱ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ቀርሜሎስን ሓረስቶትን ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ። 11 ዑዝያ ኸኣ ንውግእ እተዓጥቀ ሰራዊት ነበሮ። ብኽፍልታት ተወዲቦም ድማ ንወተሃደራዊ ወፈራ ይወጹ ነበሩ። ንዓታቶም ከኣ የዒኤል እቲ ጸሓፍን+ ማዓስያ እቲ ሓለቓን፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ እቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ዝዀነ ሓናንያ ዀይኖም ቈጸርዎምን መዝገብዎምን።+ "12 ብዘሎ ቝጽሪ እቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ዝዀኑ ርእስታት ማይ ቤታት፡ 2,600 ነበረ።" "13 ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ዝነበረ ዕጡቕ ሰራዊት፡ 307,500 ነበረ፣ እዚ ድማ ንንጉስ ኣንጻር ጸላእቱ ዚሕግዞ ንውግእ እተዳለወ ሓያል ሰራዊት ነበረ።+" 14 ዑዝያ ኸኣ ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ዋላቱን ሕላሳትን+ ቍራዓት ርእስን ድርዕታትን+ ቀስትታትን ኣእማን ወንጭፍን+ ኣዕጠቖ። 15 ኣብ የሩሳሌም ድማ ብመሃንድሳት እተነድፈ መሳርያታት ውግእ ገበረ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ግምብታትን ኣብ መኣዝናት መካበብያን ተገብረ፡+ ፍላጻታትን ዓበይቲ ኣእማንን እውን ኪውርውር ይኽእል ነበረ። ንሱ ብዜደንቕ መገዲ ተሓጊዙን በርቲዑን ስለ ዝነበረ፡ ዝናኡ ኽሳብ ርሑቕ ተዘርግሐ። 16 ምስ በርትዐ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየ፣ ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ብምእታው ድማ ንየሆዋ ኣምላኹ ጠለሞ።+ 17 ብኡብኡ፡ ካህን ዓዛርያን 80 ተባዓት ካህናት የሆዋን ደድሕሪኡ ኣተዉ። 18 ንሳቶም ድማ ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ እውን በልዎ፦ “ኦ ዑዝያ፡ ንስኻ ንየሆዋ ዕጣን ክትዓጥን ግቡእ ኣይኰነን!+ እቶም እተቐደሱ ኻህናት፡ ደቂ ኣሮን እዮም እሞ፡ ንሳቶም ጥራይ እዮም ዕጣን ኪዓጥኑ ዘለዎም።+ ጠሊምካ ኢኻ እሞ፡ ካብዚ መቕደስ ውጻእ፣ በዚ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ።” 19 ዑዝያ ግና ነታ ዚዓጥነላ ጽንሃህ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኸሎ፡ ነደረ፣+ ኣብቶም ካህናት ኪንድር ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ዕጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት፡ ኣብ ግምባሩ ደዌ ወጾ።+ 20 ዓዛርያ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኵሎም ካህናትን ምስ ጠመትዎ ድማ፡ ኣብ ግምባሩ ብደዌ ኸም እተወቕዐ ረኣዩ! ስለዚ፡ ካብኡ ተቐላጢፎም ኣውጽእዎ፣ የሆዋ ስለ ዝወቕዖ ኸኣ፡ ንሱ ባዕሉ እውን ተቐላጢፉ ወጸ። 21 ንጉስ ዑዝያ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ድዉይ ነበረ። ካብ ቤት የሆዋ ተወጊዱ ነበረ እሞ፡ ድዉይ ኰይኑ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ።+ ወዱ ዮታም ከኣ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት* ንጉስ ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንህዝቢ እታ ምድሪ ይፈርድ ነበረ።+ 22 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዑዝያ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ብነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ተመዝጊቡ ኣሎ። 23 ዑዝያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ቀበርዎ። ግናኸ፡ “ንሱ ድዉይ እዩ” ኢሎም፡ ኣብታ ኣብ መቓብር ነገስታት ዘላ መሬት ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮታም+ ነገሰ። 4 መሰውኢ ነሓሲ+ ኸኣ ገበረ፣ እዚ ድማ 20 እመት ዝንውሓቱ፡ 20 እመት ዝግፍሑ፡ 10 እመት ዝቝመቱ ነበረ። 2 ናይ ፍሲ ባሕሪ*+ ኸኣ ገበረ። ንሱ ድማ ከቢብ ዝቕርጹ ዀይኑ፡ ካብ ሓደ ወሰን ኣፉ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ኣፉ 10 እመት፡ ቍመቱ ኸኣ 5 እመት፡ ዙርያኡ ምስ ተለክዐ ድማ፡ 30 እመት ዝንውሓቱ ገመድ ኰነ።+ 3 ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ኣፉ ኸኣ ብዙርያኡ ኣብ እመት ዓሰርተ ሓምሓም ዝቕርጹ ስልማት+ ኰይኑ ኣብ ዙርያ እቲ ባሕሪ ነበረ። እቲ ሓምሓማት ድማ ክልተ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ብፍሲ እተሰርሐ ነበረ። 4 ኣብ ልዕሊ 12 ብዕራይ+ ከኣ ተነብረ፣ 3 ናብ ሰሜን ገጾም፡ 3 ናብ ምዕራብ ገጾም፡ 3 ናብ ደቡብ ገጾም፡ 3 ድማ ናብ ምብራቕ ገጾም ገይሮም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ተነብረ፣ ናይ ኵላቶም ድሕሪት ድማ ናብ ማእከል ኣቢሉ ነበረ። "5 ርጕዱ ኸኣ ክንዲ ስፍሓት ኢድ* ነበረ፣ እቲ ኣፉ ድማ ከም ኣፍ ጽዋእ ኰይኑ፡ ከም ዕምባባ ሹሻን ተገብረ። እቲ መትሓዚ ኸኣ 3,000 ባት* ኪሕዝ ይኽእል ነበረ። " 6 ድሕርዚ፡ ብእኡ ምእንቲ ኺሕጸቡ ዓሰርተ ገበራ ገይሩ፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ድማ ብጸጋም ኣንበረ።+ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ነገር ከኣ ኣብኡ ይሓጽቡ ነበሩ።+ እቲ ባሕሪ ግና፡ እቶም ካህናት ዚሕጸቡሉ ዝነበረ እዩ።+ 7 ካብ ወርቂ ድማ ከምቲ ውጥኑ+ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዴል ገይሩ፡+ ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብጸጋም ኣንበሮ።+ 8 ዓሰርተ ሰደቓ ገይሩ ድማ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብጸጋም ኣንበሮ፣+ 100 ጭሔሎ ወርቂ እውን ገበረ። 9 ነቲ ኣጸድ+ ካህናትን+ ነቲ ዓብዪ ኣጸድን+ መዓጹ እቲ ኣጸድን ድማ ገበረ፣ ነቲ መዓጹ ኸኣ ብነሓሲ ለበጦ። 10 ነቲ ባሕሪ ድማ ብሸነኽ የማን፡ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቢሉ ኣንበሮ።+ 11 ሒራም ከኣ ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ገበረ።+ በዚ ኸምዚ፡ ሒራም ነቲ ንንጉስ ሰሎሞን ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝሰርሓሉ ስራሕ ፈጸሞ፣+ 12 ማለት ነቲ ኽልተ ዓንድን+ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኣራእስ ዓንድን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኽልተ ርእሲ ዓንዲ ዚኸድን ክልተ መርበብ፡+ 13 ነቲ ንኽልተ መርበብ ዚኸውን 400 ሮማን፡+ ነንሓደ መርበብ ዚኸውን ክልተ መስርዕ ሮማናት፡ ነቲ ኣብቲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኽልተ ርእሲ ዓንዲ+ ዚኸውን መኽደኒ፡ 14 ነቲ ዓሰርተ ዓረብያን ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓረብያታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡+ 15 ነቲ ባሕርን ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ 12 ብዕራይን፡+ 16 ነቲ ድስትታትን ነቲ መጽሓሪታትን ነቲ ሻኳታትን ፈጸሞ።+ ሒራም-ኣቢው+ ንዅሉ እዚ ኣቕሑ እዚ ንንጉስ ሰሎሞን፡ ንቤት የሆዋ፡ ካብ እተዀልዐ ነሓሲ ሰርሓሉ። 17 እቲ ንጉስ ኣብ ከባቢ ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኮትን+ ጸሬዳን፡ ኣብ ረጒድ ካይላ ኣፍሰሶ። 18 ሰሎሞን ድማ ንዅሉ እዚ ኣቕሑ እዚ ኣዝዩ ኣብዝሖ፣ ሚዛን እቲ ነሓሲ ኸኣ ኣይተፈልጠን።+ 19 ሰሎሞን ድማ ንዅሉ እቲ ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚኸውን ኣቕሑ ሰርሖ፣+ ማለት ነቲ መሰውኢ ወርቂ፡+ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ዚንበሮ ሰደቓታት፡+ 20 ነቲ ኸምቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ዚበርህ ካብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐወምቲ ቐነዲልን ቀነዲሉን፡+ 21 ነቲ ኻብ ወርቂ፡ ካብ ዝጸረየ ወርቂ እተገብረ ዕምባባታትን ቀነዲልን መንቀርቀራት መጥፍእን፡ 22 ነቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ መቐዛት መጥፍእን ጭሔሎታትን ጽዋኣትን መትሓዚታት ሓውን፡ ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ኣፍ ደገ እታ ቤትን ንቕድስተ ቕዱሳን ዚኸውን ውሽጣዊ መዓጹኣን+ ንመዓጹ እታ ቤተ መቕደስን ሰርሖ።+ 16 ኣብ መበል 36 ዓመት ንግስና ኣሳ፡ ባዕሳ+ ንጉስ እስራኤል ኣንጻር ይሁዳ ደዪቡ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኸይወጽእን ናብኡ ኸይኣቱን ኢሉ፡ ንራማ+ ኺሰርሓ* ጀመረ።+ 2 ኣሳ ድማ ካብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን ብሩርን ወርቅን ኣውጺኡ+ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዚቕመጥ ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦+ 3 “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣብ መንጎ ኣቦኻን ውዕል* ኣሎ። እዚ ብሩርን ወርቅን እሰድደልካ ኣለኹ። ካባይ ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ንዓ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ውዕል* ኣፍርሶ።” 4 ቤን-ሃዳድ ድማ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ኣንጻር ከተማታት እስራኤል ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ንዒዮንን+ ንዳንን+ ንኣቤል-ማይምን ንዅሉ መኽዘን ከተማታት ንፍታሌምን ወቕዑ።+ 5 ባዕሳ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንራማ ምስራሕ* ሓደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ። 6 ሽዑ፡ ንጉስ ኣሳ ንዅሉ ይሁዳ ወሰደ፣ ነቲ ባዕሳ ንራማ+ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጫውን ወሲዱ ድማ፡+ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕን+ ንሚጽጳን+ ሰርሐን።* 7 በታ ግዜ እቲኣ፡ ሓናኒ+ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ “ብንጉስ ሶርያ ስለ እተኣመንካ፡* ብየሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስለ ዘይተኣመንካ፡* ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ ኣምሊጡ እዩ።+ 8 ኢትዮጵያውያንን ሊብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን፧ ብየሆዋ ስለ እተኣመንካ ግና፡ ንሱ ንዓታቶም ኣብ ኢድካ ሂቡካ።+ 9 ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ* ዝዀነ ብርታዐኡ* ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።+ ኣብዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፣ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪልዓለካ እዩ።”+ 10 ግናኸ፡ ኣሳ በቲ ረኣዪ ዀረየ፣ በዚ ነገር እዚ ስለ ዝነደረ ኸኣ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ኣእተዎ። በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ኣሳ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ ገፍዖም። 11 ታሪኽ ኣሳ ኸኣ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 12 ኣሳ ድማ ኣብ መበል 39 ዓመት ንግስናኡ ኣእጋሩ ሓመመ፡ ሕማሙ ኸኣ ኣዝዩ በርትዖ፣ ግናኸ፡ ምስ ሓመመ እኳ ንፈወስቲ እምበር፡ ንየሆዋ ኣይደለዮን። 13 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ መበል 41 ዓመት ንግስናኡ እውን ሞተ። 14 ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ንርእሱ ዘዅዓቶ ዓብዪ መቓብር ከኣ ተቐብረ፣ ዘይቲ በለሳንን እተፈላለየ ዓይነት ቀመማት ተሓዋዊሱ ብፍሉይ እተገብረ ቕብእን ኣብ ዝመልአ ዓራት ኣንበርዎ።+ ምእንታኡ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ምንዳድ ገበሩ።* 6 ሽዑ፡ ሰሎሞን ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኣብ ብርቱዕ ድነ ኸም ዚነብር ኢሉ እዩ።+ 2 ኣነ ኸኣ ልዕልቲ ቤት፡ ንዘለኣለም እትነብረላ ቐዋሚት ቦታ ሃኒጸልካ ኣለኹ።”+ 3 እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ፡ ኵሉ ጉባኤ እስራኤል ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንብዘሎ ጉባኤ እስራኤል መረቖ።+ 4 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “እቲ ንኣቦይ ዳዊት ብኣፉ ዘተስፈዎ፡ ብኢዱ እውን ዝፈጸሞ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ይወደስ፣ ንሱ ኸምዚ ኢሉ ነበረ፦ 5 ‘ካብታ ንህዝበይ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ፡ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረላ ቤት እትህነጸላ ኸተማ ኣይሓረኹን፣+ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ዚኸውን ሰብኣይ እውን ኣይሓረኹን። 6 ግናኸ፡ ንየሩሳሌም ስመይ ከንብረላ ሓርየያ ኣለኹ፣+ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን እውን ሓርየዮ ኣለኹ።’+ 7 ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሃንጸሉ ብልቡ ተመነየ።+ 8 የሆዋ ግና ንኣቦይ ዳዊት፡ ‘ንስመይ ቤት ክትሃንጽ ትምኒት ልብኻ እዩ ነይሩ፣ ነዚ ብልብኻ ብምምናይካ ኸኣ ጽቡቕ ጌርካ። 9 ግናኸ፡ እቲ ኻባኻ ዚውለድ ወድኻ* ደኣ እዩ ንስመይ ቤት ዚሃንጽ እምበር፡ ንስኻስ ነታ ቤት ኣይክትሃንጻን ኢኻ’ በሎ።+ 10 የሆዋ ድማ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ፈጺምዎ ኣሎ፣ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎስ፡+ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲአ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐሚጠ ኣለኹ።+ ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እውን ቤት ሃኒጸ ኣለኹ፣ 11 ኣብኣ ኸኣ ነቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን ዝሓዘ ታቦት ኣንቢረዮ ኣለኹ።”+ 12 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል ደው በለ፡ ኣእዳዉ እውን ዘርግሐ።+ 13 (ሰሎሞንሲ ኻብ ነሓሲ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓቱን ሓሙሽተ እመት* ዝግፍሑን ሰለስተ እመት ዝቝመቱን መድረኽ ገይሩ ኣብ ማእከል እቲ ኣጸድ+ ኣንቢርዎ ነበረ። ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ደው በለ።) ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል ተምበርኪኹ ድማ፡ ኣእዳዉ ናብ ሰማያት ዘርግሐ፡+ 14 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብዅሉ ልቦም ዚመላለሱ ገላዉኻ ኺዳን እትሕሉን ብተኣማንነት እተፍቅርን፡ ኣብ ሰማያት ኰነ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን።+ 15 እቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ሓሊኻዮ ኢኻ።+ ብኣፍካ ኣተስፊኻ ኢኻ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ብኢድካ ፈጺምካዮ ኣለኻ።+ 16 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት፡ ‘ደቅኻ፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካዮ ብሕገይ ጥራይ ብምምልላስ ንመገዶም እንተ ተጠንቂቖም፡ ካባኻ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’+ ኢልካ ዘተስፎኻዮ ሓልዎ።+ 17 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ንጊልያኻ ንዳዊት ዘተስፎኻዮ ተስፋ እሙን ይኹን። 18 “ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ሰብ ይነብር እዩ፧+ እንሆ፡ ሰማያት፡ እወ ሰማየ ሰማያት ኪሕዙኻ ኣይክእሉን እዮም፣+ እዛ ኣነ ዝሃነጽክዋ ቤት ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ!+ 19 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ናብ ጸሎት ጊልያኻን ናብ ናይ ሞገስ ልማኖኡን ኣድህብ፣ ንኣውያትን ነቲ ጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ጸሎትን ስማዕ። 20 ነቲ ጊልያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎት ንምስማዕ፡ ኣዒንትኻ መዓልትን ለይትን ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ስምካ ኣብኣ ኸተንብር ዝበልካያ ቦታ እዚኣ ይከፈታ።+ 21 ነቲ ጊልያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምጽላይ ዜቕርብዎ ልማኖ ረድኤት ከኣ ስማዕ፣+ ካብታ እትነብረላ ቦታ፡ ካብ ሰማያት ስማዕ፣+ እወ፡ ስማዕ እሞ፡ ይቕረ በል።+ 22 “ሰብ ንብጻዩ እንተ በዲልዎ፡ እቲ እውን እንተ ኣምሒልዎን* ብማሕላ* ተሓታቲ እንተ ገይርዎን፡ ኣብ ትሕቲ ማሕላ* ኸሎ ኸኣ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብዛ ቤት እዚኣ ዘሎ መሰውኢኻ እንተ መጺኡ፡+ 23 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡ ስጕምቲ ውሰድ፡ ንገላዉኻ ድማ ፍረደሎም፣ ነቲ እኩይ ከምቲ ዝገበሮ ፍደዮ፡ ኣብ ርእሱ እውን ምለሰሉ፣+ ነቲ ጻድቕ ከኣ ንጹህ* ግበሮ፡ ከም ጽድቁ እውን ፍደዮ።+ 24 “ህዝብኻ እስራኤል ኣንጻርካ ብዝሓጥእዎ ሓጢኣት ብምጽናዖም ብጸላኢ እንተ ተሳዒሮም፡+ ተመሊሶም ድማ ንስምካ እንተ ኣሞጊሶምን+ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ጸልዮምን+ ሞገስ እንተ ለሚኖምን፡+ 25 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡+ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ንዓታቶምን ንኣቦታቶምን ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።+ 26 “ኣንጻርካ ብዝሓጥእዎ ሓጢኣት ብምጽናዖም+ ሰማያት ምስ ዚዕጾ እሞ ዝናም ምስ ዘይዘንም፡+ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ምስ ዚጽልዩን ንስምካ ምስ ዜሞግሱን፡ ስለ ዘዋረድካዮም* ድማ ካብ ሓጢኣቶም ምስ ዚምለሱ፡+ 27 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡ እታ ኺመላለሱላ ዚግባእ ጽብቕቲ መገዲ ስለ እትምህሮም ከኣ፡ ሓጢኣት ገላዉኻ ዝዀኑ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በል፣+ ነታ ንህዝብኻ ርስቲ ኽትከውን ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሃባ።+ 28 “ኣብታ ምድሪ፡ ጥሜት፡+ ወይ ለበዳ፡+ ወይ ሃጒ፡ ወይ ዋግ፡+ ወይ ዕስለ ኣንበጣ፡ ወይ በላዒ ኣንበጣ*+ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ጸላእቶም ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት እታ ምድሪ* እንተ ኸቢቦምዎም፡+ ወይ ካልእ ዓይነት መዓት ወይ ሕማም እንተ ዀይኑ፡+ 29 ነፍሲ ወከፍ ቍስሉን ስቓዩን ይፈልጥ እዩ እሞ፡+ ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ጸሎት ዘበለን+ ልማኖ ሞገስ ዘበለን+ ምስ ዜቕርብ፡ ናብዛ ቤት እዚኣ ድማ ኣእዳዎም ምስ ዚዝርግሑ፡+ 30 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ስማዕ፡+ ይቕረ በል፣+ ንስኻ በይንኻ ንልቢ ሰብ ብሓቂ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ልቡ ስለ እትፈልጥ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኵሉ መገድታቱ ፍደዮ።+ 31 እዚ ኸኣ ብዅለን እተን ኣብታ ንኣቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ ኣብ ዚነብሩለን መዓልትታቶም ብመገድታትካ ብምምልላስ ምእንቲ ኺፈርሁኻ እዩ። 32 “ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ፡ ንሱ ስለቲ ዓብዪ ስምካን*+ ስለታ ሓያል ኢድካን ስለታ ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኢሉ ኻብ ርሑቕ ምድሪ ምስ ዚመጽእ፡ መጺኡ ኸኣ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚጽሊ፡+ 33 ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡን+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ምእንቲ ኺፈርሁኻን፡ ስምካ ድማ ኣብዛ ኣነ ዝሃነጽክዋ ቤት ከም እተጸውዐ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ስማዕ፡ ነቲ ጓና ድማ ከምቲ ዚልምነካ ዘበለ ዅሉ ግበረሉ። 34 “ህዝብኻ ምስ ጸላእቶም ኪዋግኡ ኢሎም በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ እንተ ኸይዶም፡+ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነጽክዋ ቤትን ኣቢሎም ከኣ ናባኻ እንተ ጸልዮም፡+ 35 ንስኻ ኻብ ሰማያት ጸሎቶምን ናይ ሞገስ ልማኖኦምን ስማዕ፡ ፍርዲ እውን ኣውጽኣሎም።+ 36 “ዘይብድል ሰብ የልቦን እሞ፡ እንተ በዲሎምኻ፡+ ተቘጢዕካ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካዮም እሞ፡ እቶም ማረኽቶም ናብ ርሑቕ ኰነ ናብ ቀረባ ምድሪ እንተ ማሪኾምዎም፡+ 37 ኣብታ ተማሪኾም ዝኸዱላ ምድሪ ኸኣ ናብ ልቦም እንተ ተመሊሶም፡ ኣብታ ምሩኻት ኰይኖምላ ዘለዉ ምድሪ ድማ ‘ሓጢእና፡ ተጋጊና፡ ክፉእ ጌርና’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተመሊሶምን ሞገስካ እንተ ለሚኖምን፡+ 38 ኣብታ ምሩኻት ኰይኖም እተወስዱላ ምድሪ ምርኮ ኸኣ+ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን* ናባኻ እንተ ተመሊሶም፡+ ናብዛ ንኣቦታቶም ዝሃብካዮም ምድርን ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነጽክዋ ቤትን ኣቢሎም ድማ እንተ ጸልዮም፡+ 39 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ጸሎቶምን ናይ ሞገስ ልማኖኦምን ስማዕ፡ ፍርዲ እውን ኣውጽኣሎም፣+ ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ኸኣ ይቕረ በለሎም። 40 “ሕጂ፡ ኦ ኣምላኸይ፡ በጃኻ ናብቲ ኣብዛ* ቦታ እዚኣ እተጸለየ ጸሎት ኣዒንትኻ ይከፈታ፡ ኣእዛንካ እውን የድህባ።+ 41 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንስኻን ታቦት ብርታዐኻን ናብ መዕረፊኻ ደይብ።+ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ካህናትካ ድሕነት ይልበሱ፡ እሙናትካ እውን ብሰናይካ* ይተሓጐሱ።+ 42 ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንቕቡእካ ኣይትደርብዮ።*+ ነቲ ንጊልያኻ ዳዊት ብተኣማንነት ዘርኣኻዮ ፍቕሪ ዘክሮ።”+ 25 ኣማስያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዮዓዳን እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።+ 2 ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ፣ ግናኸ፡ ብምሉእ ልቢ ኣይኰነን። 3 እታ መንግስቲ ብጽኑዕ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ምስ ኰነት፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።+ 4 ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ፣ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታቶም ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት” ኢሉ የሆዋ ኸም ዝኣዘዘ ተጻሒፉ ዘሎ ብምግባር፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።+ "5 ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤቶም፡ ንዅሎም ይሁዳን ብንያምን በብኣሕሉቕ ሽሕን በብኣሕሉቕ ሚእትን ደው ኣበሎም።+ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዘበሉ መዝገቦም፣+ ሕላስን ዓብዪ ዋልታን ሒዞም ኣብ ሰራዊት ዜገልግሉ ድማ፡ 300,000 ዕሉማት* ተዋጋእቲ ዀይኖም ረኸቦም።" "6 ካብ እስራኤል ከኣ፡ ብ100 ታለንት* ብሩር 100,000 ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ።" 7 ሓደ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “ኦ ንጉስ፡ የሆዋ ምስ እስራኤል፡ ምስ ኵሎም ደቂ ኤፍሬም ኣይኰነን እሞ፡+ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ። 8 ግናኸ፡ በይንኻ ኺድ፡ ግበር፡ ኣብ ውግእ እውን ትባዕ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ኪረድእ ኰነ ኼዐንቅፍ ሓይሊ ኣለዎ እሞ፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኼዐንቅፈካ እዩ” በሎ። 9 ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “እቲ ንሰራዊት እስራኤል ዝሃብክዎ 100 ታለንትኸ፧” በሎ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ “የሆዋ ኻብኡ ዚበዝሕ ኪህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 10 ሽዑ፡ ኣማስያ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመጹ ሰራዊት ናብ ቦታኦም ኪኸዱ ኣሰናበቶም። ንሳቶም ግና ብይሁዳ ኣዝዮም ተቘጥዑ፣ ናብ ቦታኦም ከኣ ብቝጥዓ ነዲዶም ተመልሱ። "11 ኣማስያ ድማ ተቢዑ ንሰራዊቱ ናብ ስንጭሮ ጨው መርሖ፣+ ካብ ደቂ ሰዒር ከኣ 10,000 ቀተለ።+" "12 እቶም ሰብ ይሁዳ ድማ ን10,000 ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም። ናብ ርእሲ ሓደ ኸውሒ ኣደይቦም ከኣ፡ ካብ ርእሲ እቲ ኸውሒ ኣጽደፍዎም፣ ኵላቶም ድማ ተሓምሸሹ።" "13 ኣባላት እቶም ኣማስያ ምስኡ ናብ ውግእ ከይከዱ ዝመለሶም ሰራዊት ግና፡+ ካብ ሰማርያ+ ኽሳብ ቤት-ሖሮን፡+ ንኸተማታት ይሁዳ ይወርርወን ነበሩ፣ ካባታተን 3,000 ቀተሉ፡ ብዙሕ ምርኮ እውን ማረኹ። " 14 ኣማስያ ንኤዶማውያን ወቒዑ ምስ ተመልሰ፡ ኣማልኽቲ ደቂ ሰዒር ኣምጺኡ፡ ኣማልኽቱ ኪዀኑ ኣቘሞም፣+ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰገደ፡ ዓጠነሎም እውን። 15 ስለዚ፡ የሆዋ ብኣማስያ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣ ሓደ ነብዪ ናብኡ ሰዲዱ ድማ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ንህዝቦም ካብ ኢድካ ዘየናገፉ ኣማልኽቲ እዞም ህዝቢ እትስዕቦም ዘለኻ፧” በሎ።+ 16 ንሱ ኺዛረቦ ኸሎ፡ ንጉስ፡ “ኣማኻሪ ንጉስ ጌርናዶ ሸይምናካ ኢና፧+ ሕደግ፡+ ንምንታይ ዚቐትሉኻ፧” በሎ። እቲ ነብዪ ኸኣ ሓደገ፣ ግናኸ፡ “እዚ ስለ ዝገበርካን ንምኽረይ ስለ ዘይሰማዕካን፡ ኣምላኽ ኬጥፍኣካ ኸም ዝወሰነ ፈሊጠ” በለ።+ 17 ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ምስ ኣማኸርቱ ምስ ተማኸረ፡ ናብ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ንጉስ እስራኤል ልኢኹ፡ “ንዓ፡ ንሓድሕድና ኣብ ውግእ ንጋጠም”* በሎ።+ 18 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦ “ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ፡ ‘ጓልካ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ግናኸ፡ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እንስሳ ዘገዳም ሓለፈ እሞ፡ ነቲ እሾዅ ረገጾ። 19 ‘እንሆ፡ ንኤዶም ወቒዐዮ’* ትብል ኣለኻ።+ ልብኻ ድማ ኪኽበር ደልዩ ተዓብዩ ኣሎ። ሕጂ ግና፡ ኣብ ቤትካ* ተቐመጥ። ንይሁዳ ምሳኻ ኽትልክሞሲ፡ ስለምንታይ መዓት ኣለዓዒልካ እትወድቕ፧” 20 ግናኸ፡ ንኣማልኽቲ ኤዶም ስለ ዝሰዓብዎም፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኪህቦም መዲቡ ነበረ እሞ፡+ ኣማስያ ኣይሰምዐን።+ 21 ሽዑ፡ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ፣ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ቤት-ሸመሽ+ ናይ ይሁዳ ንሓድሕዶም ኣብ ውግእ ተጋጠሙ። 22 ይሁዳ ኸኣ ብእስራኤል ተሳዕረ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ቤቱ* ሃደመ። 23 ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ፡* ኣብ ቤት-ሸመሽ ሓዞ። ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ፣ ንመካበብያ የሩሳሌም ከኣ ካብ ኣፍ ደገ ኤፍሬም+ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን፡+ 400 እመት* ኣፍረሰ። 24 ነቲ ምስ* ዖቤድ-ኤዶም ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቕሑን ወሰደ፣+ ብዘይካዚ እውን ጅሆ ወሰደ። ናብ ሰማርያ ድማ ተመልሰ። 25 ኣማስያ+ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ንጉስ እስራኤል 15 ዓመት ብህይወት ጸንሐ።+ 26 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣማስያ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉዶ የሎን፧ 27 ካብታ ኣማስያ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ዘልገሰላ ግዜ ኣትሒዞም፡ ኣብ የሩሳሌም ውዲት ኣለሙሉ፣+ ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሃደመ፣ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰደዱ፡ ኣብኣ እውን ቀተልዎ። 28 ኣብ ኣፍራስ ጽዒኖም ከኣ መለስዎ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ ከተማ ይሁዳ ቐበርዎ። 33 ምናሴ+ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 12 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 55 ዓመት ነገሰ።+ 2 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+ 3 ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡+ ንበዓላት መሰውኢታት ኣቘመ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ገበረ፡ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።+ 4 ኣብታ የሆዋ፡ “ኣብ የሩሳሌም ስመይ ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ” ዝበለላ+ ቤት የሆዋ ኸኣ፡ መሰውኢታት ሰርሐ።+ 5 ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ኣብቲ ኽልተ ኣጸድ ቤት የሆዋ መሰውኢታት ሰርሓሎም።+ 6 ንኣወዳቱ ኸኣ ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም ብሓዊ ኣሕለፎም፣+ ስሒር ገበረ፡+ ጠንቈለ፡ ኣስማት ገበረ፡ ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ድማ ገበረ።+ ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ። 7 ነቲ ንሱ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ኸኣ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንበሮ፣+ ብዛዕባኣ ግና ኣምላኽ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን፡ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንሓዋሩ ኸንብር እየ።+ 8 ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዎም፡ ብዘሎ እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕግን ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቖም እንተ ሓልዮም፡ ንኣእጋር እስራኤል ካብታ ንኣቦታቶም ዝመደብኩሎም ምድሪ መሊሰ ኣይከልግስን እየ” ኢሉ ነበረ። 9 ምናሴ ድማ ንይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ካብቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ኺገብሩ የስሕቶም ነበረ።+ 10 የሆዋ ኸኣ ንምናሴን ንህዝቡን ይዛረቦም ነበረ፣ ንሳቶም ግና ኣየቕለቡን።+ 11 ሽዑ፡ የሆዋ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊት ንጉስ ኣሶር ኣንጻሮም ኣምጽአ፣ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብዓንቃሪቦታት ሓዝዎ፡* ብኽልተ መቝሕ ነሓሲ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 12 ብጭንቁ ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኹ ሞገስ ለመኖ፡* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱ እውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ። 13 ናብኡ ድማ ይጽሊ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ልማኖኡ ራሕርሓሉ፡ ነቲ ናይ ሞገስ ልማኖኡ ድማ ሰምዖ፡ ናብ የሩሳሌም ናብ ንግስናኡ እውን መለሶ።+ ሽዑ፡ ምናሴ፡ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጠ።+ 14 ድሕርዚ፡ ንኸተማ ዳዊት+ ብምዕራብ ጊሖን+ ኣብቲ ስንጭሮ* ኽሳብ ኣፍ ደገ ዓሳ+ ናይ ወጻኢ መካበብያ ሃነጸ፣ ናብ ዖፌል+ ከኣ ኣዞሮ፡ ኣዝዩ እውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ኣሕሉቕ ሰራዊት ሸመ። 15 ካብ ቤት የሆዋ ኸኣ ጓኖት ኣማልኽትን ምስሊ ጣኦትን ኣርሓቐ፣+ ኣብቲ ኸረን ቤት የሆዋን ኣብ የሩሳሌምን ሰሪሕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ድማ ኣርሓቐ፣+ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ እውን ደርበዮ። 16 ነቲ መሰውኢ የሆዋ ኸኣ ኣዳለዎ፣+ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መስዋእቲ ሕብረትን+ መስዋእቲ ምስጋናን+ ሰውአ፣ ንይሁዳ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬገልግልዎ ኣዘዞም። 17 ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝቢ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ እዮም እምበር፡ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውኡ ነበሩ። 18 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ምናሴ፡ እቲ ናብ ኣምላኹ ዝጸለዮ ጸሎትን ቃላት እቶም ብስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እተዛረብዎ ረኣይትን፡ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተመዝጊቡ ኣሎ። 19 ጸሎቱን+ ልማኖኡ ኸመይ ከም እተሰምዐን፡ ኵሉ ሓጢኣቱን ጥልመቱን፡+ በረኽቲ ዝሰርሓለንን ኣዕኑድ ኣምልኾን*+ ቅሩጽ ምስልታትን ዘቘመለንን ቦታታት፡ ኣብ ቃላት ረኣይቱ ተጻሒፉ ኣሎ። 20 ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ቤቱ ኸኣ ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ።+ 21 ኣሞን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ነገሰ።+ 22 ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ ኣሞን ከኣ ንዅሎም እቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ቅሩጽ ምስልታት+ ይስውኣሎምን የገልግሎምን ነበረ። 23 ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘትሓተ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርእሱ ኣየትሓተን፣+ የግዳስ፡ ኣሞን ንበደሉ ኣዝዩ ኣብዝሖ። 24 ገላዉኡ ድማ ውዲት ኣለሙሉ+ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 25 ህዝቢ እታ ምድሪ ግና ንዅሎም እቶም ንንጉስ ኣሞን ውዲት ዝኣለሙሉ ቐተሎም።+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።+ 10 ኵሉ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም+ መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ናብ ሴኬም ከደ።+ 2 የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ (ንሱስ ብሰንኪ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ገና ኣብ ግብጺ እዩ ነይሩ እሞ፡)+ የሮብዓም ብኡብኡ ኻብ ግብጺ ተመልሰ። 3 ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ፣ የሮብዓምን ኵሉ እስራኤልን ከኣ ናብ ሮብዓም መጺኦም፡ 5 ንሱ ኸኣ፡ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ከዱ።+ 7 ንሳቶም ድማ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ሎሚ ሕያዋይ እንተ ዄንካሎምን ባህ እንተ ኣቢልካዮምን ጽቡቕ ምላሽ እንተ ሂብካዮምን፡ ንሳቶም ወትሩ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም” ኢሎም መለሱሉ። 10 እቶም ምስኡ ዝዓበዩ ኣጕባዝ ከኣ፡ “ነዞም፡ ‘ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና፣ ንስኻ ግና ኣፍኵሰልና’ ዝበሉኻ ህዝቢ፡ ከምዚ በሎም፣ ከምዚ ድማ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ሕንጥሊተይ እኳ ኻብ ሕቘ ኣቦይ ክትረጕድ እያ። 11 ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጽዒኑኩም፣ ኣነ ኸኣ ንኣርዑትኩም ክውስኸሉ እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ’ በሎም” በልዎ። 13 ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ሮብዓም ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓደጎ። 14 “ኣርዑትኩም ከኽብዶ እየ፣ ክውስኸሉ እውን እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ” ኢሉ ድማ ከም ምኽሪ እቶም ኣጕባዝ ገይሩ ተዛረቦም። 15 እቲ የሆዋ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ+ እቲ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እዚ ነገር እዚ ኻብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ህዝቢ ኣይሰምዖምን።+ 16 ኵሎም እስራኤል ከኣ፡ ንጉስ ምስማዕ ስለ ዝኣበዮም፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ “ኣብ ዳዊት እንታይ ግደ ኣሎና፧ ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍካ ነናብ ኣማልኽትኻ። ኦ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሓሉ” ኢሎም መለሱሉ።+ ሽዑ፡ ኵሉ እስራኤል ነናብ ቤቱ* ተመልሰ።+ 18 ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ዝነበረ ሃዶራም+ ሰደዶ፣ እስራኤላውያን ግና ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ንጉስ ሮብዓም ከኣ ናብ የሩሳሌም ኪሃድም ኢሉ ዝገበረ ገይሩ ናብ ሰረገላኡ ደየበ።+ 19 እስራኤላውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ቤት ዳዊት ዓልዮም ኣለዉ። 14 ኣብያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ እውን ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ብዘመኑ ድማ እታ ምድሪ ዓሰርተ ዓመት ዓረፈት። 2 ኣሳ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ገበረ። 3 ናይ ጓኖት መሰውኢታትን+ በረኽትን ኣወገደ፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበረ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾ* እውን ቈረጸ።+ 4 ንይሁዳ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎ፡ ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኪሕልዉ ነገሮም። 5 ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ድማ በረኽትን መሰውኢ ዕጣንን ኣወገደ፣+ እታ መንግስቲ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ሃዲኣ ነበረት። 6 የሆዋ ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፡+ እታ ምድሪ ሃዲኣ ነበረት፡ በተን ዓመታት እቲአን እውን ውግእ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ይሁዳ እተዓርዳ ኸተማታት ሰርሐ።+ 7 ንይሁዳ ኸኣ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽና ስለ ዝደለናዮስ፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜና ኣላ እሞ፡ ነዘን ከተማታት እዚአን ንስርሓየን ብመካበብያን ብግምብታትን+ ብመዓጹን ብተገዳማትን ከኣ ንኽበበን። ንሕና ደሊናዮ ኢና፡ ንሱ እውን ኣብ ዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና ኣሎ” በሎም።+ "8 ኣሳ ድማ ካብ ይሁዳ ዓበይቲ ዋላቱን ሕላሳትን እተዓጥቁ 300,000 ሰራዊት ነበርዎ። ካብ ብንያም እውን ንኣሽቱ ዋላቱ* ዚጾሩን ቀስቲ እተዓጥቁን* 280,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ።+ " "9 ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ኸኣ 1,000,000 ሰራዊትን 300 ሰረገላን ሒዙ ኣንጻሮም መጸ።+ ናብ ማረሻ ምስ በጽሐ፡+" 10 ኣሳ ኣንጻሩ ወጸ፡ ኣብ ስንጭሮ ጸፋታ ኣብ ማረሻ ድማ ንውግእ ተሰለፉ። 11 ኣሳ ኸኣ ናብ የሆዋ ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፦+ “ኦ የሆዋ፡ እቶም እትረድኦም ብዙሓት ይኹኑ ወይ ሓይሊ ዘይብሎም ይኹኑ ዜገድሰካ ኣይኰነን።+ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ብኣኻ ተኣሚንና፡*+ ብስምካ ኸኣ ኣንጻር እዚ ህዝቢ እዚ መጺእና ኣለና እሞ፡+ ርድኣና። ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና። መዋቲ ሰብ ኪስዕረካ ኣይትሕደግ።”+ 12 የሆዋ ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዓሮም፣ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ሃደሙ።+ 13 ኣሳን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝብን ድማ ክሳብ ጌራር+ ሰጐጕዎም፣ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ብየሆዋን ብሰራዊቱን ስለ እተሓምሸሹ፡ ካባታቶም ብህይወት ዚተርፍ ክሳዕ ዚስኣን ወደቑ። ድሕሪኡ፡ ንሳቶም ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ማረኹ። 14 ኣብ ዙርያ ጌራር ንዘለዋ ዅለን ከተማታት እውን ወቕዕወን፣ ራዕዲ የሆዋስ ኣባታቶም ኰይኑ ነበረ፣ ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ዚዝመት ነበረ እሞ፡ ንዅለን እተን ከተማታት ዘመትወን። 15 ድንኳናት እቶም ሰብ ማል ድማ ኣፍረሱ፣ ብዙሓት መጓሰን ኣግማልን ማሪኾም ከኣ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 9 ንግስቲ ሳባ*+ ድማ ብዛዕባ ሰሎሞን ወረ ሰምዐት። ንሰሎሞን ከኣ ብእተሓላለኸ ሕቶታት* ክትፍትኖ ናብ የሩሳሌም መጸት። ምስኣ ኸኣ ኣዝዩ ዜደንቕ ዓጀባ፡* ዘይቲ በለሳንን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን+ ክቡራት ኣእማንን ምስ እተጻዕና ኣግማል መጸ። ናብ ሰሎሞን ኣትያ ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ተዛረበቶ።+ 2 ሰሎሞን ከኣ ኵሉ ሕቶታታ መለሰላ። ሰሎሞን ንዓኣ ኺገልጸላ ዝኸበዶ* ነገር ኣይነበረን። 3 ንግስቲ ሳባ፡ ጥበብ ሰሎሞንን+ እታ ዝሃነጻ ቤትን+ 4 ኣብ መኣዱ ዚቐርብ ምግብን+ ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣገልግሎት እቶም ኣሳሰይቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቲ መስተኡን ኣከዳድናኦምን ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዜቕርቦ ዚሓርር መስዋእቱን+ ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ።* 5 ንንጉስ ከኣ ከምዚ በለቶ፦ “እቲ ኣብ ሃገረይ ከለኹ ብዛዕባ ፍረ ዕዮኻን* ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ወረ ሓቂ እዩ። 6 መጺአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርእዮ ግና ነቲ ወረ ኣይኣመንክዎን ነይረ።+ እንሆ ድማ፡ ፍርቂ እቲ ዓብዪ ጥበብካ እኳ ኣይተነግረንን።+ ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ትበልጽ ኢኻ።+ 7 እቶም ሰብካ ሕጉሳት እዮም፡ እቶም ወትሩ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብሉን ጥበብካ ዚሰምዑን ገላዉኻ ሕጉሳት እዮም! 8 እቲ ንየሆዋ ኣምላኽካ ንጉስ ክትኰነሉ ኣብ ዝፋኑ ኼንብረካ ባህ ዝበሎ የሆዋ ኣምላኽካ ይወደስ። ኣምላኽካ ንእስራኤል ስለ ዜፍቅሮ፡+ ንዘለኣለም ምእንቲ ኬቝሞ ኢሉ፡ ፍትሕን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንዓኻ ንጉስ ክትከውን ሸይሙካ።” 9 ንሳ ኸኣ ንንጉስ 120 ታለንት* ወርቅን+ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይቲ በለሳንን ክቡራት ኣእማንን ሃበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ዘይቲ በለሳን ከቶ መሊሱ ኣይመጸን።+ 10 እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኡ ገላዉ ሒራምን ገላዉ ሰሎሞንን እውን፡+ ዕንጨይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን ኣምጽኡ።+ 11 ንጉስ ድማ ካብቲ ዕንጨይቲ ሰንደል ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን+ ዚኸውን መደያይቦ፡+ ንዘመርቲ ዚኸውን መሰንቆታትን* በገናታትን ሰርሐ።+ ከምኡ ዝበለስ ቅድሚኡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኣይተራእየን። 12 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ፡ ካብቲ ንሳ ናብ ንጉስ ዘምጽኣቶ ዚበዝሕ፡* ዝደለየቶን ዝለመነቶን ዘበለ ዅሉ ሃባ። ሽዑ፡ ንሳ ምስ ገላዉኣ ተመሊሳ ናብ ሃገራ ኸደት።+ 13 ሚዛን እቲ ናብ ሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዝመጸ ወርቂ 666 ታለንት ወርቂ ነበረ፣+ 14 እዚ ኸኣ ብዘይካ እቲ ኻብ ሰብ ሸቐጥን ካብ ነጋዶን ካብ ኵሎም ነገስታት ኣዕራብን ካብ ሹማምንቲ እታ ምድርን ዚመጽእ ዝነበረ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ።+ 15 ንጉስ ሰሎሞን ድማ 200 ዓብዪ ዋልታ ሕዋስ ወርቅን+ (ነንሓደ ዓብዪ ዋልታ 600 ሲቃል* ሕዋስ ወርቂ)+ 16 300 ንእሽቶ ዋልታ* ሕዋስ ወርቅን (ነንሓደ ንእሽቶ ዋልታ ሰለስተ ምና* ወርቂ) ሰርሐ። ንጉስ ከኣ ነዚ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።+ 17 ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሐ፡ ብጽሩይ ወርቂ እውን ለበጦ።+ 18 እቲ ዝፋን ከኣ ሽዱሽተ ደረጃ ነበሮ፣ ምስቲ ዝፋን ዝለገበ ድማ ናይ ወርቂ ድኳ እግሪ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ኾፍ መበሊ ኸኣ መደገፍ ኢድ ነበሮ፣ ኣብ ጐድኒ እቲ መደገፊታት ኢድ ድማ ክልተ ኣንበሳ+ ደው ኢሎም ነበሩ። 19 ኣብቲ ሽዱሽተ ደረጃ 12 ኣንበሳ፡+ ማለት ኣብ ክልቲኡ ጫፍ እቲ ሽዱሽተ ደረጃ ሓሓደ፡ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ዝገበረት ካልእ መንግስቲ ኣይነበረትን። 20 ኵሉ ኣቕሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ወርቂ ነበረ፣ ኵሉ ኣቕሑ ቤት ዱር ሊባኖስ ድማ ጽሩይ ወርቂ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን፡ ብሩር ገለ እኳ ኣይቍጸርን ነበረ እሞ፡ ብብሩር እተገብረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ 21 ከመይሲ፡ መራኽብ ንጉስ ምስ መራኽብ ሒራም+ ናብ ተርሲስ+ ይኸዳ ነበራ። እተን መራኽብ ተርሲስ ከኣ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን+ ህበይን ጣዎስን ተጻዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳእ ይመጻ ነበራ። 22 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዓበየ።+ 23 ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘንበሮ ጥበቡ ኺሰምዑ ኢሎም፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርእዩ ይደልዩ ነበሩ።+ 24 ነፍሲ ወከፎም ድማ ህያብ፡ ማለት ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን+ ኣጽዋርን ዘይቲ በለሳንን ኣፍራስን ኣባቕልን፡ ዓመት ዓመት የምጽኡ ነበሩ። "25 ሰሎሞን ድማ ንኣፍራሱ 4,000 ጋጽን* ሰረገላታትን 12,000 ፈረስን* ነበርዎ፣+ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ ጥቓ ንጉስ ኣብ የሩሳሌምን ድማ ኣቐመጦም።+" 26 ካብቲ ፈለግ* ክሳብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳብ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገስታት እውን ይገዝእ ነበረ።+ 27 ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ዝምብዛሑ ገበሮ፣ ንዕንጨይቲ ቄድሮስ እውን ኣብ ሼፈላ ኸም ዘሎ ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።+ 28 ኣፍራስ ድማ ካብ ግብጽን ካብ ኵለን ሃገራትን የምጽኡሉ ነበሩ።+ 29 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሰሎሞን፡+ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ ቃላት ነብዪ ናታንን+ ኣብ ትንቢት ኣሒያ+ እቲ ሺሎናውን ኣብቲ ብዛዕባ የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ዚምልከት መዝገብ ራእያት ዒዶ+ እቲ ብዓል ራእይን ተጻሒፉዶ የሎን፧ 30 ሰሎሞን ከኣ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል 40 ዓመት ነገሰ። 31 ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ። ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ እውን ቀበርዎ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።+ 27 ዮታም+ ኪነግስ ከሎ ድማ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የሩሻ እዩ፣ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።+ 2 ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ፣+ ግናኸ፡ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ጥሒሱ ኣይኣተወን።+ እቶም ህዝቢ ግና ገና ተበላሽዮም ነበሩ። 3 ንሱ ድማ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ሰርሐ፣+ ኣብ መካበብያ ዖፌል እውን ብዙሕ ሃነጸ።+ 4 ኣብ ኣኽራን ይሁዳ+ ኸኣ ከተማታት ሰርሐ፣+ ኣብ ዱር ድማ ዕርድታትን+ ግምብታትን+ ሰርሐ። "5 ምስ ንጉስ ዓሞናውያን ከኣ ተዋግአ እሞ፡+ ንዓታቶም ሰዓሮም፣ እቶም ዓሞናውያን ድማ 100 ታለንት* ብሩርን 10,000 ቆሮስ* ስርናይን 10,000 ስገምን ሃብዎ። ዓሞናውያን ከኣ ኣብታ ኻልአይትን ሳልሰይትን ዓመት ከክንድዚ ኸፈልዎ።+" 6 ዮታም ድማ፡ መገድታቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኹ ሰሪቱ* ነበረ እሞ፡ እናበርትዐ ኸደ። 7 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮታም፡ ኵሉ ውግኡን መገድታቱን፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 8 ንሱ ኺነግስ ከሎ ድማ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ።+ 9 ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝ ነገሰ።+ 13 ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ የሮብዓም፡ ኣብያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።+ 2 ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ሚካያ እዩ፣+ ንሳ ጓል ኡርኤል ብዓል ጊብዓ+ እያ። ኣብ መንጎ ኣብያን የሮብዓምን ከኣ ውግእ ነበረ።+ "3 ኣብያ ድማ 400,000 ዕሉማት* ጀጋኑ ተዋጋእቲ ዝዀኑ ሰራዊት ሒዙ ንውግእ ወፈረ።+ የሮብዓም ከኣ 800,000 ዕሉማት* ጀጋኑ ተዋጋእቲ ሒዙ ኣንጻሩ ንውግእ ተሰለፈ።" 4 ኣብያ ድማ ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘሎ ኸረን ጸማራዪም ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦ “ኦ የሮብዓምን ኵላትኩም እስራኤልን፡ ስምዑኒ። 5 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊት፡ ንዕኡን ንደቁን፡ ብናይ ጨው ኪዳን* ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም መንግስቲ ኸም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 6 የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ፡ ጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ግና፡ ተንሲኡ ኻብ ጐይታኡ ዓለወ።+ 7 ስራሕ ዘይብሎምን ዘይጠቕሙን ሰባት ከኣ ናብኡ ተኣከቡ። ሮብዓም ንእሽቶን ጃጃውን ከሎ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ፣ ንሱ እውን ኪቃወሞም ኣይከኣለን። 8 “ሕጂ ድማ፡ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝዀንኩምን እቶም የሮብዓም ንዓኻትኩም ኣማልኽቲ ኪዀኑ ዝገበሮም ምራኹት ወርቂ ስለ ዘለዉኹምን፡+ ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ የሆዋ ኽትቃወምዋ እትኽእሉ ይመስለኩም ኣሎ። 9 ነቶም ካህናት የሆዋ ዝዀኑ ደቂ ኣሮንን ነቶም ሌዋውያንን ሰጒጕኩም፡+ ከምቶም ህዝብታት ካልኦት ሃገራት ናታትኩም ካህናትዶ ኣይሸምኩምን፧+ ሓደ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ሒዙ ዝመጸ* ዘበለ፡ ካህን እቶም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። 10 ንዓና ግና ኣምላኽና የሆዋ እዩ፡+ ንሕና እውን ኣይሓደግናዮን፣ ካህናትና፡ ደቂ ኣሮን ከኣ ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ፣ ሌዋውያን ድማ ኣብቲ ዕዮ ይሕግዙ ኣለዉ። 11 ንግሆ ንግሆን ምሸተ ምሸትን+ ከኣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ምስ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን የሕርሩሉ ኣለዉ፣+ እቲ እተደራረበ እንጌራ*+ ድማ ኣብቲ ሰደቓ ጽሩይ ወርቂ ኣሎ፣ ምሸተ ምሸት ከኣ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቅን+ ቀነዲሉን የብርህዎ ኣለዉ።+ ንሕናስ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና ዘሎና ሓላፍነት ንስከም ኣለና፡ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም። 12 እንሆ ድማ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳና እዩ፣ ብኻህናቱን በቲ ምሳኻትኩም ንምውጋእ ምልክት ዚኸውን መለኸትን ኣቢሉ ኸኣ ይመርሓና ኣሎ። ኦ ሰብ እስራኤል፡ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ እሞ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ።”+ 13 የሮብዓም ግና ብድሕሪኦም ዞይሮም ዚመጹ ደባይ ልኢኹሎም ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ይሁዳ፡ እቶም ደባይ ከኣ ኣብ ድሕሪኦም ነበሩ። 14 ሰብ ይሁዳ ገጾም ምስ መለሱ ድማ፡ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ውግእ ከም ዝዀኖም ረኣዩ። ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣+ እቶም ካህናት እውን ዓው ኣቢሎም መለኸት ነፍሑ። 15 ሰብ ይሁዳ ኸኣ ጭድርታ ውግእ ጨደሩ፣ ሰብ ይሁዳ ጭድርታ ውግእ ምስ ጨደሩ ድማ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንየሮብዓምን ንዅሎም እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣብያን ይሁዳን ሰዓሮም። 16 እስራኤላውያን ከኣ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፣ ኣምላኽ እውን ኣብ ኢዶም ሃቦም። "17 ኣብያን ህዝቡን ድማ ንዓታቶም ወቒዖም ብዙሓት ቀተሉ፣ ካብ እስራኤል ከኣ 500,000 ዕሉማት* ሰብኡት ተቐቲሎም ወደቑ።" 18 በዚ ኸምዚ፡ በታ ግዜ እቲኣ ሰብ እስራኤል ተዋረዱ፣ ሰብ ይሁዳ ግና ብየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ እተኣመኑ፡* በርትዑ።+ 19 ኣብያ ኸኣ ንየሮብዓም ሰጐጎ፡ ካብኡ እውን ከተማታት፡ ማለት ቤት-ኤልን+ ዓድታታን የሻናን ዓድታታን ዔፍራይንን+ ዓድታታን ሓዘ። 20 የሮብዓም ድማ ብግዜ ኣብያ፡ መሊሱ ሓይሊ ኣይነበሮን፣ የሆዋ ኸኣ ወቕዖ እሞ ሞተ።+ 21 ኣብያ ግና እናበርትዐ ኸደ፣ 14 ኣንስቲ ኣእትዩ ድማ፡+ 22 ኣወዳትን 16 ኣዋልድን ወለደ። 22 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣብያ፡ ግብርታቱን ዘረባኡን፡ ኣብ ጽሑፋት* ነብዪ ዒዶ ተመዝጊቡ ኣሎ።+ 5 በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት የሆዋ ዝዓየዮ ዅሉ ዕዮ ወድአ።+ ሰሎሞን ድማ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐደሶ ኣምጽኦ፣+ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ንዅሉ እቲ ኣቕሑን ከኣ ኣብ መዛግብቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣንበሮ።+ 2 ሽዑ፡ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤል፡ ንዅሎም ርእስታት ነገዳት፡ ንሹማምንቲ ማይ ቤታት እስራኤል ኣከቦም። ንሳቶም ድማ ንታቦት ኪዳን የሆዋ ኻብ ከተማ ዳዊት፡+ ንሳ ጽዮን፡+ ኬደይብዎ፡ ናብ የሩሳሌም መጹ። 3 ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዚግበር በዓል፡* ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተኣከቡ።+ 4 ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ መጹ፣ እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።+ 5 ነቲ ታቦትን ነቲ ድንኳን ምርኻብን+ ንዅሉ እቲ ኣብቲ ድንኳን ዝነበረ ቕዱስ ኣቕሑን ከኣ ኣደየብዎ። እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን* ድማ ኣደየብዎ። 6 ንጉስ ሰሎሞንን ብዘሎ እቲ ምስኡ ኺእከብ እተጸውዐ ኣኼባ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ነበሩ። ካብ ምብዛሐን እተላዕለ ኺጽብጸባን ኪቝጸራን ዘይከኣላ ኣባጊዕን ከብትን ከኣ ይስውኡ ነበሩ።+ 7 እቶም ካህናት ድማ ንታቦት ኪዳን የሆዋ ናብ ቦታኡ፡ ናብታ ውሽጣዊት ክፍሊ እታ ቤት፡ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ኣእተውዎ።+ 8 ስለዚ፡ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ኣብ ልዕሊ ቦታ እቲ ታቦት ተዘርጊሑ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ኪሩቤል ነቲ ታቦትን ነቲ ዘንግታቱን+ ካብ ላዕሊ ኸደንዎ። 9 እቲ ዘንግታት ከኣ ካብ ምንዋሑ እተላዕለ፡ ጫፍ እቲ ዘንግታት ካብታ ኣብ ቅድሚ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ዘላ ቕድስቲ ይርአ ነበረ፣ ካብ ወጻኢ ግና ኣይርአን ነበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። 10 ኣብቲ ታቦት ከኣ ብዘይካ እተን ህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ኣብ ዚወጹሉ ግዜ፡+ የሆዋ ምሳታቶም ኪዳን ኪኣቱ ኸሎ+ ሙሴ ኣብ ሆሬብ ኣብኡ ዘንበረን ክልተ ጽላት፡+ ካልእ ኣይነበረን። 11 እቶም ካህናት ካብታ መቕደስ ምስ ወጹ፡ (ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናትሲ ኻበየናይ ክፍሊ+ ምዃኖም ብዘየገድስ ተቐዲሶም ነበሩ)፡+ 12 ኵሎም እቶም ናይ ኣሳፍን+ ናይ ሄማንን+ ናይ የዱቱንን+ ናይ ደቆምን ኣሕዋቶምን ዝዀኑ ሌዋውያን ዘመርቲ፡+ ቅጭን ዓለባ ተኸዲኖም፡ ጸናጽል ሸሓንን በገናን መሰንቆን* ከኣ ሒዞም ነበሩ፣ ብምብራቕ እቲ መሰውኢ እውን ደው ኢሎም ነበሩ፣ ምሳታቶም ድማ 120 ካህናት መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።+ 13 እቶም ሰብ መለኸትን እቶም ዘመርትን ብሓደ ድምጺ ንየሆዋ ምስ ወደስዎን ምስ ኣመስገንዎን፡ “ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ”+ ኢሎም ንየሆዋ ኺውድስዎ ኸለዉ ድማ እቲ ድምጺ ኻብቲ መለኸትን ጸናጽል ሸሓንን ካልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ዓረገ፡ እታ ቤት፡ ቤት የሆዋ፡ ብደበና ተመልአት።+ 14 ነታ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክብሪ የሆዋ መሊእዋ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን።+ 21 ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ።+ 2 ኣሕዋቱ፡ ደቂ ዮሳፋጥ ከኣ ዓዛርያን የሒኤልን ዘካርያስን ዓዛርያን ሚካኤልን ሸፋጥያን እዮም፣ ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮሳፋጥ ንጉስ እስራኤል እዮም። 3 ኣቦኦም ድማ ብዙሕ ህያባት ብሩርን ወርቅን ክቡር ነገራትን ምስተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ እተዓርዳ ኸተማታት ሃቦም፣+ ንዮራም ግና፡ ንሱ በዅሪ ስለ ዝነበረ፡ እታ መንግስቲ ሃቦ።+ 4 ዮራም ንመንግስቲ ኣቦኡ ምስ ተቘጻጸረ፡ ንዅሎም ኣሕዋቱን ንገሊኦም መሳፍንቲ እስራኤልን ብሰይፊ ብምቕታል ስልጣኑ ኣደልደለ።+ 5 ዮራም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 32 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ።+ 6 ጓል ኣከኣብ ሰበይቱ ዀይና ነበረት እሞ፡+ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ተመላለሰ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ክፉእ ይገብር ነበረ። 7 የሆዋ ግና፡ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳን ኢሉ፡+ ንዕኡን ንደቁን ወትሩ መብራህቲ ኺህቦም ኣተስፍዩ ስለ ዝነበረ፡+ ንቤት ዳዊት ኬጥፍኣ ኣይደለየን። 8 ብዘመኑ ኤዶም ካብ ይሁዳ ዓለወ፣+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ።+ 9 ሽዑ፡ ዮራም ምስ ኣዘዝቱን ምስ ኵሉ ሰረገላታቱን ተሳገረ፣ ብለይቲ ተንሲኡ ኸኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታትን ሰዓሮም። 10 ግናኸ፡ ኤዶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ይሁዳ ዓልዩ ኣሎ። ንሱ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደጎ፡+ በታ ግዜ እቲኣ ሊብና+ እውን ካብኡ ዓለወት። 11 ንነበርቲ የሩሳሌም ብመንፈሳዊ መዳይ ኬመንዝሮም ኢሉ ድማ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ በረኽቲ ሰርሐ፣+ ንይሁዳ እውን ኣስሓቶም። 12 ካብ ነብዪ ኤልያስ ከኣ ከምዚ ዚብል መልእኽቲ ብጽሑፍ መጾ፦+ “የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብመገድታት ኣቦኻ ዮሳፋጥ+ ወይ ብመገድታት ኣሳ+ ንጉስ ይሁዳ ኣይተመላለስካን። 13 ግናኸ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ተመላሊስካ፡+ ንይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ድማ ከም ምንዝርና ቤት ኣከኣብ+ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣመንዚርካዮም፡+ ነቶም ካባኻ ዝሓሹ ኣሕዋትካ፡ ቤተ ሰብ ኣቦኻ እውን ቀቲልካዮም።+ 14 ስለዚ፡ የሆዋ ንህዝብኻን ንደቅኻን ንኣንስትኻን ንዅሉ ጥሪትካን ኣበርቲዑ ኺወቕዖም እዩ። 15 ንስኻ ኸኣ ብሰንኪ ሕማም ኣምዑትካ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብብዙሕ ሕማም፡ እንተላይ ብሕማም ኣምዑትካ ኽትሳቐ ኢኻ።’” 16 የሆዋ ድማ ንፍልስጥኤማውያንን*+ ነቶም ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያውያን ዝነበሩ ኣዕራብን+ ኣንጻር ዮራም ኣለዓዓሎም።+ 17 ንሳቶም ከኣ ንይሁዳ ወሪሮምን ጥሒሶም ኣትዮምን ኣብ ቤት* ንጉስ እተረኽበ ዅሉ ጥሪት፡ ከምኡ እውን ደቁን ኣንስቱን ማሪኾም ወሰዱ፣+ ብዘይካ ዮኣሓዝ*+ እቲ ሕሳስ ልደ ወዱ፡ ካልእ ወዲ ኣይተረፎን። 18 ድሕሪ እዚ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ኣብ ኣምዑቱ ብዘይሓዊ ሕማም ወቕዖ።+ 19 ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ ምስ ሓለፈ፡ ብሰንኪ ሕማሙ ኣምዑቱ ወጸ፡ ብሕማሙ ብርቱዕ ቃንዛ እናተቐንዘወ ኸኣ ሞተ፣ ህዝቡ ድማ ከምቲ ምእንቲ ኣቦታቱ ሓዊ ዜንድዱ ዝነበሩ፡ ምእንታኡ ሓዊ ኣየንደዱን።+ 20 ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 32 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ። ምስ ሞተ ሓደ እኳ ኣይሓዘነን። ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ፣+ ግናኸ፡ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣይኰነን።+ 15 መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዓዛርያ ወዲ ዖዴድ መጸ። 2 ንኣሳ ኺረኽቦ ወጺኡ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ኦ ኣሳን ኵላትኩም ይሁዳን ብንያምን፡ ስምዑኒ! ንስኻትኩም ምስ የሆዋ ኽሳዕ ዝዀንኩም፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፣+ እንተ ደሊኹምዎ፡ ኪርከበልኩም እዩ፣+ እንተ ሓዲግኩምዎ ግና፡ ኪሓድገኩም እዩ።+ 3 እስራኤልሲ ንነዊሕ ግዜ* ብዘይ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ብዘይ ዚምህር ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ።+ 4 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ምስ ተመልሱን ምስ ደለይዎን ግና፡ ተረኺቡሎም እዩ።+ 5 በተን ግዜያት እቲአን፡ ኣብ መንጎ ዅሎም ነበርቲ እተን ሃገራት ብዙሕ ህውከት ነበረ እሞ፡ ብደሓን ኪጕዓዝ ዚኽእል ኣይነበረን።* 6 ኣምላኽ ብዅሉ ዓይነት ጭንቂ ይህውኾም ስለ ዝነበረ፡+ ህዝቢ ብህዝቢ፡ ከተማ ብኸተማ ይሕምሸሽ ነበረ። 7 ንስኻትኩም ግና፡ ተግባርኩም ዓስቢ ኺረክብ እዩ እሞ፡ በርትዑ፡ ተስፋ እውን ኣይትቝረጹ።”*+ 8 ኣሳ ድማ፡ እዚ ቓላት እዝን ትንቢት ነብዪ ዖዴድን ምስ ሰምዐ፡ ተብዐ እሞ ኻብ ኵላ ምድሪ ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዝሓዘን ከተማታትን ጽዩፋት ጣኦታት ኣርሓቐ፣+ ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ገበላ የሆዋ ዝነበረ መሰውኢ የሆዋ ኸኣ ሓደሶ።+ 9 ንዅሎም ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን ምሳታቶም ዝነበሩ ጓኖትን ኣከቦም፣+ የሆዋ ኣምላኹ ምስኡ ኸም ዘሎ ምስ ረኣዩስ፡ ካብ እስራኤል ብዙሓት ናብኡ ኸዲዖም ነበሩ። 10 ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ እታ መበል 15 ዓመት ንግስና ኣሳ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። "11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብቲ ዘምጽእዎ ምርኮ 700 ከብትን 7,000 በጊዕን ንየሆዋ ሰውኡሉ።" 12 ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን* ኪደልይዎ ኸኣ፡+ ኪዳን ኣተዉ። 13 ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዘይደልዮ ዘበለ፡ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ፡ ኪቕተል ነበሮ።+ 14 ዓው ብዝበለ ድምጽን ብእልልታን ብመለኸትን ብመለኸት ቀርንን ድማ ንየሆዋ መሓሉሉ። 15 ብዅሉ ልቦም ምሒሎምን ተሃንጥዮም ደልዮምዎን ነበሩ፡ ንሱ እውን ተረኺቡሎም ነበረ እሞ፡+ ኵሎም ይሁዳ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፣ የሆዋ ኸኣ ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም።+ 16 ንጉስ ኣሳ ድማ፡ ዓባዩ ማዓካ+ ዓንዲ ኣምልኾ* ኪኸውን ጽዩፍ ጣኦት ስለ ዝገበረት፡ ንዓኣ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ኸም ኣደ ንጉስ* ዝነበራ ስልጣን ሰዓራ።+ ኣሳ ኸኣ ነቲ ጽዩፍ ጣኦታ ቘሪጹን ኣድቂቑን ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣንደዶ።+ 17 እቲ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣይተወገደን ነበረ።+ ይኹን እምበር፡ ልቢ ኣሳ ብዅሉ ዘመኑ* ምሉእ* ነበረ።+ 18 ነቲ ንሱን ኣቦኡን ዝቐደስዎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን ድማ ናብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣእተዎ።+ 19 ክሳዕ መበል 35 ዓመት ንግስና ኣሳ ኸኣ ውግእ ኣይነበረን።+ 22 እቲ ምስ ኣዕራብ ናብቲ ሰፈር ዝመጸ ዘማቲ ጭፍራ ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ስለ ዝቐተሎም ድማ፡ ነበርቲ የሩሳሌም ኣብ ክንዳኡ ነቲ ሕሳስ ልደ ወዱ ኣሓዝያ ኣንገስዎ።+ ስለዚ፡ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ዀይኑ ነገሰ።+ 2 ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓደ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓታልያ እዩ፣+ ንሳ ጓል ወዲ ዖምሪ* እያ።+ 3 ኣዲኡ ኽፉእ ንምግባር ኣማኻሪቱ ነበረት እሞ፡ ንሱ እውን ብመገድታት ቤት ኣከኣብ ተመላለሰ።+ 4 ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፡ ቤት ኣከኣብ ንጥፍኣቱ ኣማኸርቱ ነበሩ እሞ፡ ከማታቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ። 5 ምኽሮም ስዒቡ ድማ ምስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ኰይኑ፡ ምስ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኪዋጋእ ከደ፣+ ኣብኡ ኸኣ ቀስተኛታት ንዮራም ኣቝሰልዎ። 6 ካብቲ ምስ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ ኣብ ራማ ዘቝሰልዎ ቝስሊ ኺሓዊ ናብ ይዝርኤል ተመልሰ።+ ኣሓዝያ* ወዲ ዮራም+ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ዮራም+ ወዲ ኣከኣብ ቈሲሉ* ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ኺርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ።+ 7 ግናኸ፡ ኣሓዝያ ናብ ዮራም ምስ መጸ፡ ኣምላኽ ጥፍኣት ኣምጽኣሉ። ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ዮራም ኰይኑ ነቲ ንቤት ኣከኣብ ኬጥፍኣ ኢሉ የሆዋ ዝቐብኦ የሁ+ ወዲ ወዱ ንኒምሺ* ኺረኽቦ ወጸ። 8 የሁ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ ፍርዲ ኺፍጽም ከሎ፡ ንመሳፍንቲ ይሁዳን ነቶም ኣገልገልቲ ኣሓዝያ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋት ኣሓዝያን ረኸቦም እሞ ቐተሎም።+ 9 ንኣሓዝያ ኸኣ ደለዮ፣ ኣብታ ተሓቢኡላ ዝነበረ ሰማርያ ድማ ሓዝዎ እሞ ናብ የሁ ኣምጽእዎ። ምስ ቀተልዎ+ ኸኣ፡ “ንሱ ነቲ ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ዝደለዮ ዮሳፋጥ ወዲ ወዱ እዩ” ኢሎም ቀበርዎ።+ ካብ ቤት ኣሓዝያ ድማ ነታ መንግስቲ ኺገዝኣ ዚኽእል ኣይነበረን። 10 ዓታልያ+ ኣደ ኣሓዝያ፡ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ንጉስ* ቤት ይሁዳ ኣጥፍአት።+ 11 ግናኸ፡ የሆሻብዓት ጓል ንጉስ ንዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ መንጎ እቶም ዚቕተሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ፣ ንዕኡን ንመጕዚቱን ከኣ ኣብ ውሽጣዊት መደቀሲ ኣእተወቶም። የሆሻብዓት ጓል ንጉስ ዮራም፡+ (ንሳ ሰበይቲ ኻህን የሆያዳን+ ሓብቲ ኣሓዝያን ነበረት፡) ካብ ቅድሚ ዓታልያ ሓብኣቶ እሞ ንሳ ኣይቀተለቶን።+ 12 ዓታልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ነጊሳ ኸላ ኸኣ፡ ምሳታቶም ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ። 3 እታ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ምስ መጸት፡ እስራኤላውያን* ከኣ ኣብ ከተማታቶም ከለዉ፡ ብሓደ ሰሚሮም ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። 2 እያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤልን+ ኣሕዋቱን ድማ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዚሓርር መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ ተንሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።+ 3 ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት እናፈርህዎም ክነሶም፡ ነቲ መሰውኢ ኣብቲ ናይ ቀደም ቦታኡ ኣቘምዎ፣+ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ፡ እቲ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረቡ።+ 4 ከምቲ ጽሑፍ ከኣ በዓል ዳስ ኣብዓሉ፣+ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ቝጽሪ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረቡ።+ 5 ድሕርዚ፡ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን+ ናይ ሰርቅታት ወርሒ መስዋእትን+ ናይ ኵሉ እተቐደሰ በዓላት የሆዋ መስዋእትን+ እቲ ናይ ኵሎም እቶም ብፍታዎም ንየሆዋ ዝሃብዎ መስዋእቲ ፍታውን ኣቕረቡ።+ 6 ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ኣትሒዞም፡ መሰረት እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ እኳ ገና እንተ ዘይተሰረተ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርቡሉ ጀመሩ። 7 ንወቐርቲ እምንን+ ንኢደ ጥበበኛታትን+ ገንዘብ፡ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዞ ኸኣ፡+ ንሲዶናውያንን ንጢሮሳውያንን ዕንጨይቲ ቄድሮስ ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ያፎ* ምእንቲ ኼምጽኡሎም፡ ምግብን መስተን ዘይትን ሃብዎም።+ 8 ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ዚመጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልቲኤልን እያሱ ወዲ የሆጻዳቅን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶምን ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ ናብ የሩሳሌም ዝመጹን+ ነቲ ዕዮ ጀመርዎ፣ ነቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሌዋውያን፡ ኣብ ልዕሊ ዕዮ ቤት የሆዋ ተቘጻጸርቲ ኪዀኑ ሸምዎም። 9 ሽዑ፡ እያሱ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን፡ ቃድሚኤልን ደቁን፡ ደቂ ይሁዳ፡ ደቂ ሔናዳድ+ ከኣ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶምን፡ እቶም ሌዋውያን፡ ነቶም ዕዮ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚዓይዩ ኺቈጻጸሩ ብሓደ ሓበሩ። 10 እቶም ሃነጽቲ፡ መሰረት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኺስርቱ ኸለዉ፡+ እቶም ካህናት ወግዓዊ ልብሶም ለቢሶም፡ መለኸት እውን ሒዞም፡+ እቶም ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ድማ ጸናጽል ሸሓኒ ሒዞም፡ ከምቲ መምርሒ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ንየሆዋ ኺውድስዎ ደው በሉ።+ 11 “ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ”+ ኢሎም እናተቓባበሉ ንየሆዋ ወደስዎን ኣመስገንዎን።+ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መሰረት ቤት የሆዋ ስለ እተሰረተ፡ ንየሆዋ እናወደሱ ዓው ዝበለ ጭድርታ ጨደሩ። 12 ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ርእስታት ማይ ቤታትን፡ እቶም ነታ ቐዳመይቲ ቤት ዝረኣዩ ኣረገውቲ፡+ መሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኺስረት ምስ ረኣዩ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ በኸዩ፣ ብዙሓት ካልኦት እውን ብታሕጓስ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ይጭድሩ ነበሩ።+ 13 እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ድማ ካብ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ሓጐስ ካብቲ ድምጺ ብኽያት ኪፈልዮ ኣይከኣለን። 7 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ብግዜ ንግስና ኣርታሕሻስታ+ ንጉስ ፋርስ፡ እዝራ*+ ተመልሰ። ንሱ ወዲ ሰራያ፡+ ወዲ ዓዛርያ፡ ወዲ ሒልቅያ፡+ 2 ወዲ ሻሉም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ 3 ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ዓዛርያ፡+ ወዲ መራዮት፡ 4 ወዲ ዜራሕያ፡ ወዲ ዑዚ፡ ወዲ ቡቂ፡ 5 ወዲ ኣቢሹዓ፡ ወዲ ፊንሃስ፡+ ወዲ ኣልኣዛር፡+ ወዲ ኣሮን+ እቲ ሊቀ ኻህናት እዩ። 6 እዚ እዝራ እዚ ኻብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኸኣ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ቀዳሒ* ነበረ።*+ ኢድ የሆዋ ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ ነበረት እሞ፡ ንጉስ ንዕኡ፡ ኵሉ እቲ ዝሓተቶ ሃቦ። 7 ገለ ኻብ እስራኤላውያንን ካህናትን ሌዋውያንን+ ዘመርትን+ ሓለውቲ ኣፍ ደገን+ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን፡*+ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 8 እዝራ ኸኣ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ንጉስ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ። 9 ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብ ባቢሎን ኪድይብ ጀመረ፣ እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ሓምሸይቲ ወርሒ ድማ ናብ የሩሳሌም መጸ።+ 10 እዝራ ኸኣ ሕጊ የሆዋ ንምምርማር፡ ንምግባር፡+ ስርዓታቱን ፍርድታቱን እውን ኣብ እስራኤል ንምምሃር+ ልቡ ኣዳለወ።* 11 ቅዳሕ እታ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ነቲ ኣብ መጽናዕቲ ትእዛዛት የሆዋን ንእስራኤል ዝሃቦ ትእዛዛቱን ክኢላ* ዝዀነ ኻህን እዝራ እቲ ቐዳሒ* ዝሃቦ ደብዳበ እዚ እዩ፦ 12 * “ኣርታሕሻስታ+ እቲ ንጉሰ ነገስት፡ ናብ ካህን እዝራ እቲ ቐዳሒ* ሕጊ ኣምላኽ ሰማያት፦ ፍጹም ሰላም ንዓኻ ይኹን። እምበኣር፡ 13 ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ የሩሳሌም ምሳኻ ኪኸይድ ዚፈቱ ኣብ ግዝኣተይ ዘሎ ዅሉ፡ ኪኸይድ ትእዛዝ ኣውጺአ ኣለኹ።+ 14 ብንጉስን በቶም ሸውዓተ ኣማኸርቱንሲ ተላኢኽካ ኢኻ፣ እዚ ድማ እቲ ምሳኻ* ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ይዕየየሉ እንተሎ ኽትምርምር፡ 15 እቲ ንጉስን ኣማኸርቱን ብፍታዎም ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዚሓድር ኣምላኽ እስራኤል ዝሃብዎ ብሩርን ወርቅን ከኣ ክትወስድ፡ 16 ነዚ እውን ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን እተቐበልካዮ* ብሩርን ወርቅን፡ ምስቲ ሰባትን ካህናትን ብፍታዎም ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ዝሃብዎ መባእ ክትወስድ እዩ።+ 17 በዚ ገንዘብ እዚ ጌርካ ድማ፡ ኣብዑርን+ ደዓውልን+ ገንሸላትን*+ ምስ መስዋእቲ እኽሎምን+ መስዋእቲ መስተኦምን+ ብቕልጡፍ ዓድግ፣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽኩም ከኣ ኣቕርቦ። 18 “በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ድማ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም፡ ንዓኻን ንኣሕዋትካን ጽቡቕ ዝመሰለኩም ዘበለ ግበሩ። 19 ኵሉ እቲ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽካ እተዋህበካ ኣቕሑ ኸኣ፡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም ኣብጽሓዮ።+ 20 እቲ ኽትህቦ ዚግብኣካ ንቤት ኣምላኽካ ዜድሊ ዝተረፈ ነገር ድማ፡ ካብ መዝገብ ንጉስ ሃብ።+ 21 “ኣነ ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ስግር እቲ ፈለግ* ዘለዉ ተሓዝቲ መዝገብ፡ ካህን እዝራ+ እቲ ቐዳሒ* ሕጊ ኣምላኽ ሰማያት ዚሓትተኩም ዘበለ ዅሉ ብቕልጡፍ ኪግበረሉ ትእዛዝ ሂበ ኣለኹ፣ 22 ክሳዕ 100 ታለንት* ብሩርን 100 ቆሮስ* ስርናይን 100 ባት* ወይንን+ 100 ባት ዘይትን፡+ ጨው ከኣ+ ብዘይ ዓቐን ሃብዎ። 23 ኣብ ግዝኣት ንጉስን ኣብ ደቁን ቍጥዓ ምእንቲ ኸይከውን፡+ እቲ ኣምላኽ ሰማያት ዝኣዘዞ ዘበለ ዅሉ ንቤት ኣምላኽ ሰማያት ብቕንኣት ይወሃብ።+ 24 ንዅሎም እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ሙዚቀኛታትን+ ሓለውቲ ኣፍ ደገን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን*+ ነቶም ዓየይቲ እታ ቤት ኣምላኽ እቲኣን፡ ግብርን ቀረጽን ተጎን ክትስልዑሎም ከም ዘይተፈቕደ ተሓቢሩኩም ኣሎ።+ 25 “ንስኻ እዝራ ኸኣ፡ ከም መጠን እቲ ኻብ ኣምላኽካ ዘጥረኻዮ ጥበብ፡* ንዅሎም እቶም ኣብ ስግር እቲ ፈለግ ዘለዉ ህዝቢ፡ ንዅሎም እቶም ሕግታት ኣምላኽካ ዚፈልጡ፡ ምእንቲ ኺዳንዩ፡ ፈራዶን ደያኑን ሽም፣ ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ ዘበለ ድማ ምሃርዎ።+ 26 ንሕጊ ኣምላኽካን ንሕጊ ንጉስን ዘይገብሮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ፡ ንሞት፡ ወይ ንመስጐጕቲ፡ ወይ ንመቕጻዕቲ ገንዘብ፡ ወይ ንማእሰርቲ ኣብ ልዕሊኡ ብቕልጡፍ ፍርዲ ይፈጸም።” 27 እቲ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት የሆዋ ኼጸብቕ ኢሉ እዚ ነገር እዚ ኣብ ልቢ ንጉስ ዘንበረ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትና ይወደስ!+ 28 ኣብ ቅድሚ ንጉስን+ ኣማኸርቱን+ ኵሎም እቶም ሓያላት መሳፍንቲ ንጉስን ድማ ብተኣማንነት ኣፍቀረኒ። ኣነ ኸኣ ኢድ የሆዋ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነበረት፡ ተባዕኩ፡* ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ኪድይቡ ዚመርሑ ሰባት* ኣከብኩ። 1 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ፋርስ፡+ እቲ ብኤርምያስ እተዘርበ ቓል የሆዋ+ ምእንቲ ኺፍጸም፡ የሆዋ ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ ብዘላ መንግስቱ እቲ ብጽሑፍ እውን ዝሰፈረ ኸምዚ ዚብል ኣዋጅ ኪእውጅ ኣለዓዓሎ፦+ 2 “ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ መንግስትታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ ኣሎ፣+ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ እውን መዚዙኒ ኣሎ።+ 3 ካብ ህዝቡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ዘበለ፡ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ይደይብ፣ ቤት እቲ ቤቱ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት* የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡—ንሱ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡—ዳግም ይህነጽ። 4 ጓና ዀይኑ ዚነብር ዘበለ፡+ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ጐረባብቱ* ብሩርን ወርቅን ጥሪትን ማልን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚኸውን መስዋእቲ ፍታውን ብምሃብ ይሓግዝዎ።’”+ 5 ሽዑ፡ ርእስታት ማይ ቤታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኰታስ እቶም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዘለዓዓሎ ዘበሉ ዅሎም፡ ኪድይቡን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት የሆዋ ኺሃንጹን ተዳለዉ። 6 ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኸኣ፡ ብዘይካ እቲ ዅሉ መስዋእቲ ፍታው፡ ኣቕሑ ብሩርን ወርቅን ጥሪትን ማልን ክቡር ነገራትን ብምሃብ ደገፍዎም።* 7 ንጉስ ቂሮስ ድማ ነቲ ነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ኣውጽኦ።+ 8 ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከኣ ነዚ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሚትረዳት እቲ ተሓዝ መዝገብ ኣውጽኦ፣ ንሱ ድማ ንሸሽባጻር* እቲ ሹም ይሁዳ ፈቒዱ ሃቦ።+ "9 እቲ ፍቕዲ ኸኣ እዚ እዩ፦ 30 መሶብ ዝቕርጹ ኣቕሓ ወርቂ፡ 1,000 መሶብ ዝቕርጹ ኣቕሓ ብሩር፡ 29 ተለዋጢ ኣቕሓ፡" "10 30 ንእሽቶ ጭሔሎ ወርቂ፡ 410 ንእሽቶ ጭሔሎ ብሩር፡ 1,000 ካልእ ኣቕሑ።" "11 ኵሉ እቲ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን 5,400 ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ኸለዉ ድማ፡+ ሸሽባጻር ነዚ ዅሉ ኣደየቦ።" 8 ርእስታት ማይ ቤታቶምን ምዝገባ ወለዶ እቶም ብግዜ ንግስና ንጉስ ኣርታሕሻስታ ምሳይ ካብ ባቢሎን ዝደየቡን እዚ እዩ፦+ 2 ካብ ደቂ ፊንሃስ፡+ ጌርሾም፣ ካብ ደቂ ኢታማር፡+ ዳንኤል፣ ካብ ደቂ ዳዊት፡ ሓጡሽ፣ 3 ካብ ደቂ ሸካንያ፡ ካብ ደቂ ጳርዖሽ፡ ዘካርያስ፡ ምስኡ ኸኣ ምዝገባ 150 ተባዕትዮ፣ 4 ካብ ደቂ ጳሓት-ሞኣብ፡+ ኤልይሆ-ዔናይ ወዲ ዜራሕያ፡ ምስኡ ድማ 200 ተባዕትዮ፣ 5 ካብ ደቂ ዛቱ፡+ ሸካንያ ወዲ ያሓዚኤል፡ ምስኡ ኸኣ 300 ተባዕትዮ፣ 6 ካብ ደቂ ዓዲን፡+ ዔበድ ወዲ ዮናታን፡ ምስኡ ኸኣ 50 ተባዕትዮ፣ 7 ካብ ደቂ ዔላም፡+ የሻዕያ ወዲ ዓታልያ፡ ምስኡ ድማ 70 ተባዕትዮ፣ 8 ካብ ደቂ ሸፋጥያ፡+ ዘባድያ ወዲ ሚካኤል፡ ምስኡ ኸኣ 80 ተባዕትዮ፣ 9 ካብ ደቂ ዮኣብ፡ ኦብድያ ወዲ የሒኤል፡ ምስኡ ድማ 218 ተባዕትዮ፣ 10 ካብ ደቂ ባኒ፡ ሸሎሚት ወዲ ዮሲፍያ፡ ምስኡ ኸኣ 160 ተባዕትዮ፣ 11 ካብ ደቂ ቤባይ፡+ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፡ ምስኡ ድማ 28 ተባዕትዮ፣ 12 ካብ ደቂ ዓዝጋድ፡+ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፡ ምስኡ ኸኣ 110 ተባዕትዮ፣ 13 ካብ ደቂ ኣዶኒቃም+ እቶም ዳሕሮት፡ ስማቶም እዚ እዩ፦ ኤሊፈለጥን የዒኤልን ሸማዕያን፡ ምሳታቶም ድማ 60 ተባዕትዮ፣ 14 ካብ ደቂ ቢግዋይ፡+ ዑታይን ዛቡድን፡ ምሳታቶም ከኣ 70 ተባዕትዮ። 15 ኣብቲ ናብ ኣሃዋ+ ዚመጽእ ፈለግ ድማ ኣከብክዎም፣ ኣብኡ ኸኣ ሰለስተ መዓልቲ ሰፈርና። ነቶም ህዝብን ነቶም ካህናትን ምስ መርመርክዎም ግና፡ ኣብኡ ኻብ ሌዋውያን ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። 16 ስለዚ፡ ንኤልዔዘርን ንኣርኤልን ንሸማዕያን ንኤልናታንን ንያሪብን ንኤልናታንን ንናታንን ንዘካርያስን ንመሹላምን እቶም ዚመርሑን ንዮያሪብን ንኤልናታንን እቶም መምህራንን ለኣኽኩሎም። 17 ኣብታ ካሲፍያ እትብሃል ቦታ ኸኣ ብዛዕባ ዒዶ እቲ መራሒ፡ ትእዛዝ ሃብክዎም። ንዒዶን ነቶም ኣብ ካሲፍያ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን፡* ንቤት ኣምላኽና ኣገልገልቲ ምእንቲ ኼምጽኡልና ኺዛረብዎም ነገርክዎም። 18 እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ስለ ዝነበረት፡ ካብ ደቂ ማሕሊ+ ወዲ ወዱ ንሌዊ፡ ወዲ እስራኤል፡ ነቲ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ዝዀነ ሸረብያን+ ንደቁን ንኣሕዋቱን፡ 18 ሰብኡት ኣምጽኡልና፣ 19 ንሓሻብያ፡ ምስኡ ድማ ንየሻዕያ ኻብ መራራውያንን+ ንኣሕዋቱን ንደቁን፡ 20 ሰብኡት እውን ኣምጽኡልና። 20 ካብቶም ዳዊትን እቶም መሳፍንትን ንኣገልግሎት ሌዋውያን ዝሃብዎም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ* ከኣ፡ ኵላቶም ብስሞም እተሰምዩ 220 ኣምጽኡልና። 21 ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ርእስና ምእንቲ ኸነትሕት፡ ንመገድናን ንዓናን ንደቅናን ንጥሪትናን ድማ መምርሒ ምእንቲ ኽንደሊ፡ ኣነ ኣብ ፈለግ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። 22 ንንጉስ፡ “እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ዚደልይዎ እያ፣+ ብርታዐኡን ቍጥዓኡን ግና ኣንጻር ኵሎም እቶም ዚሓድግዎ እዩ”+ ኢልናዮ ስለ ዝነበርና፡ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእትና ዜዕቍቡና ወተሃደራትን ፈረሰኛታትን ንንጉስ ምልማን ኣሕፊሩኒ ነበረ። 23 ስለዚ፡ ብዛዕባ እዚ ጾምናን ንኣምላኽና ሓተትናዮን፣ ንሱ ድማ ልማኖና ሰምዐ።+ 24 ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ 12፡ ማለት ሸረብያን ሓሻብያን+ ምስ ዓሰርተ ኣሕዋቶም ፈለኹ። 25 እቲ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን፡ እቲ ንጉስን ኣማኸርቱን መሳፍንቱን ኵሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያንን ንቤት ኣምላኽና ዝሃብዎ መባእ ድማ፡ መዘንኩሎም።+ 26 እቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝመዘንኩሎም ከኣ፡ 650 ታለንት* ብሩርን 2 ታለንት ዚምዘን 100 ኣቕሓ ብሩርን 100 ታለንት ወርቅን "27 1,000 ዳሪክ* ዚምዘን 20 ንእሽቶ ጭሔሎ ወርቅን ከም ወርቂ ዚብሃግ ቀይሕ ዜንጸባርቕ 2 ኣቕሓ ጽሩይ ነሓስን ነበረ። " 28 ንዓታቶም ድማ ከምዚ በልክዎም፦ “ንስኻትኩም ንየሆዋ እተቐደስኩም ኢኹም፣+ እዚ ኣቕሑ ኸኣ ቅዱስ እዩ፣ እቲ ብሩርን ወርቅን ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም መስዋእቲ ፍታው እዩ። 29 ኣብ ቅድሚ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሌዋውያንን መሳፍንቲ ማይ ቤታት እስራኤልን ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ክፍልታት* ቤት የሆዋ ኽሳዕ እትመዝንዎ ኸኣ፡ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።”+ 30 እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነቲ እተመዝነሎም ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን፡ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት ኣምላኽና ኺወስድዎ ተቐበሉ። 31 ኣብ መበል 12 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ+ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ክንከይድ፡ ካብ ፈለግ ኣሃዋ+ ነቐልና፣ ኢድ ኣምላኽና ድማ ኣብ ልዕሌና ነበረት፣ ኣብ መገዲ ኸኣ ካብ ኢድ ጸላእን ካብ ደባይን ኣናገፈና። 32 ናብ የሩሳሌም ድማ መጻእና፣+ ኣብኣ እውን ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና። 33 ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቕሑን ኣብ ቤት ኣምላኽና መዚንና፡+ ንመሬሞት+ ወዲ ኻህን ኡርያ ሃብናዮ፣ ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሃስ፡ ምሳታቶም እውን እቶም ሌዋውያን ዮዛባድ+ ወዲ እያሱን ኖዓድያ ወዲ ቢኑኢን+ ነበሩ። 34 ኵሉ ተቘጽረን ተመዝነን፣ ኵሉ እቲ ሚዛን ድማ ተመዝገበ። 35 እቶም ካብ ምርኮ ዝመጹ፡ እቶም ምሩኻት ዝነበሩ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን፡ ስለ ዅሉ እስራኤል 12 ዝራብዕ፡+ 96 ድዑል፡+ 77 ገንሸል፡* ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን 12 ድቤላ ኣቕረቡ፣+ እዚ ዅሉ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ነበረ።+ 36 እቲ ትእዛዝ ንጉስ+ ድማ ንራእስታት* ንጉስን ንሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግን*+ ሃብናዮም፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ህዝብን ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ደገፉ።+ 2 እቶም ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ+ እሞ ናብ የሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ እተመልሱ+ ኻብ ምርኮ ዝደየቡ ምሩኻት ህዝቢ እቲ ኣውራጃ እዚኣቶም እዮም፣+ 2 ንሳቶም ምስ ዘሩባቤልን+ እያሱን+ ነህምያን ሰራያን ረዔላያን ማርዶካይን ቢልሻንን ሚስጳርን ቢግዋይን ረሑምን ባዓናን ዝመጹ እዮም። ቍጽሪ እቶም እስራኤላውያን ሰብኡት ነዚኣቶም የጠቓልል፦+ "3 ደቂ ጳርዖሽ 2,172፣" 4 ደቂ ሸፋጥያ 372፣ 5 ደቂ ኣራሕ+ 775፣ "6 ደቂ ጳሓት-ሞኣብ+ ካብ ደቂ እያሱን ዮኣብን 2,812፣" "7 ደቂ ዔላም+ 1,254፣" 8 ደቂ ዛቱ+ 945፣ 9 ደቂ ዛካይ 760፣ 10 ደቂ ባኒ 642፣ 11 ደቂ ቤባይ 623፣ "12 ደቂ ዓዝጋድ 1,222፣" 13 ደቂ ኣዶኒቃም 666፣ "14 ደቂ ቢግዋይ 2,056፣" 15 ደቂ ዓዲን 454፣ 16 ደቂ ኣጤር ካብ ህዝቅያስ 98፣ 17 ደቂ ቤጻይ 323፣ 18 ደቂ ዮራህ 112፣ 19 ደቂ ሓሹም+ 223፣ 20 ደቂ ጊባር 95፣ 21 ደቂ ቤት-ልሄም 123፣ 22 ሰብ ነጦፋ 56፣ 23 ሰብ ዓናቶት+ 128፣ 24 ደቂ ዓዝማዌት 42፣ 25 ደቂ ቂርያት-የዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን 743፣ 26 ደቂ ራማን+ ጌባዕን+ 621፣ 27 ሰብ ሚኽማሽ 122፣ 28 ሰብ ቤት-ኤልን ዓይን+ 223፣ 29 ደቂ ኔቦ+ 52፣ 30 ደቂ ማግቢሽ 156፣ "31 ደቂ እቲ ኻልኣይ ዔላም 1,254፣" 32 ደቂ ሓሪም 320፣ 33 ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖን 725፣ 34 ደቂ ያሪኮ 345፣ "35 ደቂ ሰናኣ 3,630። " 36 ካህናት፦+ ደቂ የዳዕያ+ ኻብ ቤት እያሱ+ 973፣ "37 ደቂ ኢመር+ 1,052፣" "38 ደቂ ጳሽሑር+ 1,247፣" "39 ደቂ ሓሪም+ 1,017። " 40 ሌዋውያን፦+ ደቂ እያሱን ቃድሚኤልን+ ካብ ደቂ ሆዳውያ 74። 41 ዘመርቲ፦+ ደቂ ኣሳፍ+ 128። 42 ደቂ ሓለውቲ ኣፍ ደገ፦+ ደቂ ሻሉም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደቂ ጣልሞን፡+ ደቂ ዓቁብ፡+ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ፡ ኵሉ ዅሎም 139። 43 ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ፦*+ ደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣባዖት፡ 44 ደቂ ቄሮስ፡ ደቂ ሲዓህኣ፡ ደቂ ፋዶን፡ 45 ደቂ ለባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ዓቁብ፡ 46 ደቂ ሓጋብ፡ ደቂ ሻልማይ፡ ደቂ ሓናን፡ 47 ደቂ ጊደል፡ ደቂ ጋሓር፡ ደቂ ረኣያ፡ 48 ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቆዳ፡ ደቂ ጋዛም፡ 49 ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ጳሴሓ፡ ደቂ ቤሳይ፡ 50 ደቂ ኣስና፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፉሲም፡ 51 ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡ 52 ደቂ ባጽሉት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡ 53 ደቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲሰራ፡ ደቂ ታማሕ፡ 54 ደቂ ነጺኣሕ፡ ደቂ ሓጢፋ። 55 ደቂ ገላዉ ሰሎሞን፦ ደቂ ሶጣይ፡ ደቂ ሶፈረት፡ ደቂ ጰሩዳ፡+ 56 ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል፡ 57 ደቂ ሸፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ጶከረት-ሃጸባይም፡ ደቂ ኣሚ። 58 ኵሎም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* ደቂ ገላዉ ሰሎሞንን 392 ነበሩ። 59 ካብ ቴል-ሜላሕን ቴል-ሓርሻን ከሩብን ኣዶንን ኢመርን ዝደየቡ፡ ግናኸ፡ እስራኤላውያን እንተ ዀይኖም፡ ማይ ቤቶምን ዘርኦምን ኬረጋግጹ ዘይከኣሉ ድማ እዚኣቶም እዮም፦+ 60 ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ፡ 652። 61 ካብ ደቂ ኻህናት ከኣ፦ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡+ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደን ብስሞም እተሰምየን ባርዚላይ።+ 62 እዚኣቶም ወለዶኦም ንምርግጋጽ መዛግብቶም ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸብዎን፣ ካብ ክህነት ድማ ተኸልከሉ።*+ 63 እቲ ሹም* ከኣ፡ ብኡሪምን ቱሚምን ኪሓትት ዚኽእል ካህን ክሳዕ ዚትንስእ+ ካብቲ ቕዱስ ቅዱሳን ከይበልዑ ኣዘዞም።+ "64 ድምር ቍጽሪ ብዘሎ እቲ ጉባኤ 42,360 ነበረ፣+" "65 እዚ ድማ ብዘይ እቶም 7,337 ዝዀኑ ተባዕትዮ ባሮትን ኣንስትዮ ባሮትን እዩ፣ 200 ተባዕትዮ ዘመርትን ኣንስትዮ ዘመርትን ከኣ ነበርዎም።" 66 ኣፍራሶም 736፡ ኣባቕሎም 245፡ "67 ኣግማሎም 435፡ ኣእዱጎም 6,720 ነበሩ። " 68 ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት የሆዋ ምስ በጽሑ፡ ገለ ኻብ ርእስታት ማይ ቤታት ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብታ ቦታኣ ዳግም ንምህናጽ*+ መስዋእቲ ፍታው ሃቡ።+ "69 ንመዝገብ እቲ ዕዮ ኸኣ ከከም ዓቕሞም 61,000 ድራክማ* ወርቅን 5,000 ምና* ብሩርን+ 100 ወለል ዚብል ክዳን ካህናትን ሃቡ።" 70 እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ገለ ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* ድማ ኣብ ከተማታቶም ሰፈሩ፣ ኵሎም እቶም ዝተረፉ እስራኤል* ከኣ ኣብ ከተማታቶም ሰፈሩ።+ 4 ጸላእቲ ይሁዳን ብንያምን፡+ እቶም እተመልሱ ምሩኻት+ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤተ መቕደስ ይሃንጹሉ ኸም ዘለዉ ምስ ሰምዑ፡ 2 ብኡብኡ ናብ ዘሩባቤልን ናብ ርእስታት ማይ ቤታትን ቀሪቦም፡ “ንሕና እውን ከማኻትኩም ንኣምላኽኩም ኢና እነምልኽ፣*+ ካብ ዘመን እቲ ናብዚ ዘምጽኣና ኤሳር-ሓዶን+ ንጉስ ኣሶር ኣትሒዝና ኸኣ፡+ ንዕኡ ሰዊእና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ንህነጽ” በልዎም። 3 ዘሩባቤልን እያሱን እቶም ዝተረፉ ርእስታት ማይ ቤታት እስራኤልን ግና፡ “ከምቲ ንጉስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና፡+ ንሕና በይንና ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ክንሃንጸሉ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ንኣምላኽና ቤት ኣብ ምህናጽ ግደ የብልኩምን” በልዎም።+ 4 ድሕርዚ፡ እቶም ህዝቢ እታ ምድሪ ንህዝቢ ይሁዳ ተስፋ የቝርጽዎም፡* ከይሃንጹ ድማ ይድህልዎም ነበሩ።+ 5 ብዅሉ ዘመን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ ንግስና ዳርዮስ+ ንጉስ ፋርስ ከኣ፡ ውጥናቶም ኬፍሽሉ ኢሎም ኣንጻሮም ዚመኽሩ ኣማኸርቲ ቘጸሩ።+ 6 ኣብ መጀመርታ ንግስና ኣሓሽዌሮስ ድማ፡ ኣንጻር ነበርቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ክሲ ጸሓፉ። 7 ብዘመን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ከኣ፡ ቢሽላምን ሚትረዳትን ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብጾቱን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ጸሓፉ፣ እታ ደብዳበ ድማ ናብ ኣራማይስጢ+ ተተርጒማ ብኣራማይስጢ ተጻሕፈት።* 8 * ረሑም እቲ ቐንዲ ብዓል ስልጣንን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሎም ኣንጻር የሩሳሌም ደብዳበ ጸሓፉ፦ 9 (ንሳ ኸኣ ካብ ረሑም እቲ ቐንዲ ብዓል ስልጣንን ካብ ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ካብቶም ዝተረፉ ብጾቶም ደያኑን ንኡሳን ሹማምንትን ካብ ጸሓፍትን ካብ ሰብ ኤሬክን+ ካብ ባቢሎናውያንን ካብ ነበርቲ ሱሳ+ ማለት ዔላማውያንን+ 10 ካብቶም እቲ ዓብይን ክቡርን ኣሰናፋር ናብ ምርኮ ወሲዱ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘስፈሮም+ ዝተረፉ ኣህዛብን ካብቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር እቲ ፈለግ* ዘለዉን ነበረት፣ እምበኣር፡ 11 ቅዳሕ እታ ናብኡ ዝለኣኽዋ ደብዳበ እዚ እዩ።) “ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ካብ ገላዉኻ ሰብ ስግር እቲ ፈለግ፦ እምበኣር፡ 12 እቶም ካባኻ ናባና ዝደየቡ ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ከም ዝበጽሑ ኣብ ንጉስ ይፈለጥ። ንሳቶም ነታ ዓላዊትን ክፍእትን ከተማ ዳግም ይሰርሕዋ ኣለዉ፣ መካበብያኣ ይውድኡ፡+ መሰረታታ ድማ ይጽግኑ ኣለዉ። 13 ሕጂ ድማ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዳግም እንተ ተሰሪሓን መካበብያኣ እንተ ተወዲኡን፡ ግብርን ቀረጽን+ ተጎን ከም ዘይህቡ፡ መዛግብቲ ነገስታት ከኣ ከም ዚጕዳእ፡ ኣብ ንጉስ ይፈለጥ። 14 ጨው ቤተ መንግስቲ እንበልዕ ካብ ኰንና፡* ጥቕሚ ንጉስ ኪጕዳእ ክንርኢ ግቡእ ኣይኰነን፣ ስለዚ፡ ልኢኽና ንንጉስ ኣፍሊጥናዮ ኣለና። 15 እምበኣር፡ መጽሓፍ መዛግብቲ ኣቦታትካ ይመርመር።+ ኣብ መጽሓፍ መዛግብቲ ኸኣ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዓላዊት ከተማ ኸም ዝዀነት፡ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጐድአት፡ ኣብ ውሽጣ ድማ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ መናዓብቲ ኸም ዝነበሩ ኽትረክብን ክትፈልጥን ኢኻ። ስለዚ እያ እዛ ኸተማ እዚኣ ዝጠፍአት።+ 16 እዛ ኸተማ እዚኣ ዳግም እንተ ተሰሪሓን መካበብያኣ እንተ ተወዲኡን፡ ስግር እቲ ፈለግ ክትቈጻጸሮ ኸም ዘይትኽእል* ንንጉስ ነፍልጥ ኣለና።”+ 17 ንጉስ ከኣ ናብ ረሑም እቲ ቐንዲ ብዓል ስልጣንን ናብ ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብቶም ኣብ ሰማርያ ዚቕመጡ ዝተረፉ ብጾቶምን ናብቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር እቲ ፈለግ ዘለዉን መልእኽቲ ለኣኸ፦ “ሰላም። እምበኣር፡ 18 እቲ ናባና ዝሰደድኩምዎ ወግዓዊ ሰነድ ኣብ ቅድመይ ብግልጺ ተነቢቡ* ኣሎ። 19 ብትእዛዘይ ከኣ መርመራ ተገይሩ፣ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዛ ኣንጻር ነገስታት ትልዓል ከም ዝነበረትን ኣብኣ ዕልዋታትን ናዕብታትን ከም እተገብረን ድማ ተረኺቡ።+ 20 ኣብ የሩሳሌም ከኣ ንብዘሎ ስግር እቲ ፈለግ ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነይሮም፣ ግብርን ቀረጽን ተጎን ድማ ይኽፈሎም ነይሩ። 21 እምበኣር፡ ካባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዚወጽእ፡ እታ ኸተማ ዳግም ምእንቲ ኸይትስራሕ፡ እቶም ሰባት ስራሕ ደው ኬብሉ ኣዝዙ። 22 ጥቕሚ ንጉስ ብሕጂ እውን ምእንቲ ኸይጕዳእ፡ ነዚ ነገር እዚ ሸለል ከይትብልዎ ተጠንቀቑ።”+ 23 ቅዳሕ እቲ ወግዓዊ ሰነድ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኣብ ቅድሚ ረሑምን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን እቶም ብጾቶምን ምስ ተነብበ፡ ቀልጢፎም ናብ የሩሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከይዶም፡ ብሓይሊ ደው ኣበልዎም። 24 ዕዮ እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ሽዑ ደው በለ፣ ክሳዕ እታ ኻልአይቲ ዓመት ንግስና ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ከኣ ደው በለ።+ 6 ሽዑ፡ ንጉስ ዳርዮስ ትእዛዝ ሃበ፣ ኣብታ ኣብ ባቢሎን መዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረ ቤተ መዛግብቲ ኸኣ መርመሩ። 2 ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ሜዶን ዘላ ኣሕመታ* እታ ዕርዲ ኸተማ ድማ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ተረኽበት፣ ኣብኣ እውን እዚ ዚስዕብ መዘከርታ ተጻሒፉ ነበረ፦ 3 “ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ ብዛዕባ እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣውጽአ፦+ ‘ኣብኣ መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ እታ ቤት ዳግም ትተሃነጽ፡ መሰረታታ ኸኣ ብጽኑዕ ይሰረት፣ ቍመታ ድማ 60 እመት፡* ግፍሓ ኸኣ 60 እመት ኰይኑ፡+ 4 ናብ ቦታኡ ብዚንከባለል ሰለስተ መስርዕ ዓበይቲ ኣእማንን ብሓደ መስርዕ ኣዕጫውን ይኹን።+ እቲ ንወጻኢታት ዜድሊ ድማ ካብ ቤት ንጉስ ይከፈል።+ 5 እቲ ነቡካድነጻር ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስ ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ከኣ፡+ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስ ኣብ ቦታኡ ምእንቲ ኪቕመጥን ኣብ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኺንበርን፡ ይመለስ።’+ 6 “እምበኣር፡ ታትናይ እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግን* ሼታር-ቦዝናይን ብጾትኩምን፡ እቶም ንኡሳን ሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግ፡+ ካብኡ ርሓቑ። 7 ንዕዮ ቤት ኣምላኽ ዕንቅፋት ኣይትኹኑ። እቲ ሹም ኣይሁድን እቶም ዓበይቲ ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ እቲኣ ኣብቲ ናይ ቀደም ቦታኣ ዳግም ይህነጽዋ። 8 ብተወሳኺ፡ እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ነታ ቤት ኣምላኽ እቲኣ ዳግም ምእንቲ ኺሃንጹ፡ ንስኻትኩም ክትገብሩሎም ብዛዕባ ዚግባእ ነገር እዚ ትእዛዝ አውጽእ ኣለኹ፦ ብዘይምቍራጽ ምእንቲ ኪቕጽሉ፡ ካብ መዝገብ ንጉስ፡+ ካብቲ ኻብ ስግር እቲ ፈለግ ዚእከብ ግብሪ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም እቲ ንወጻኢታት ዜድሊ ብቕልጡፍ ይወሃቦም።+ 9 ዜድልዮም ዘበለ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ዝራብዓትን+ ደዓውልን+ ገንሸላትን፡*+ ከምኡ ድማ ስርናይን+ ጨውን+ ወይንን+ ዘይትን፡+ ከምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዚብልዎ ተገይሩ፡ መዓልቲ መዓልቲ ይወሃቦም። 10 በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ሰማያት ባህ ዜብል መስዋእቲ ኬቕርቡ፡ ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከኣ ኪጽልዩ ይኽእሉ።+ 11 ሓደ እኳ ነዚ ትእዛዝ እዚ እንተ ጥሒሱ፡ ጕንዲ ኻብ ቤቱ ኺውሰድ፡ ንሱ ድማ ኣብኡ ኺስቀል፡ ቤቱ እውን ብሰንኪ እዚ በደል እዚ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ* ኽትከውን ትእዛዝ ኣውጺአ ኣለኹ። 12 እቲ ስሙ ኣብኣ ዘንበረ ኣምላኽ ከኣ+ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኺጥሕስን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ኬጥፍእን ኢዱ ንዜልዕል ዘበለ ንጉስን ህዝብን ይገልብጦ። ኣነ ዳርዮስ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣውጺአ ኣለኹ። ብቕልጡፍ ድማ ይገበር።” 13 ሽዑ፡ ታትናይ እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግን ሼታር-ቦዝናይን+ ብጾቶምን፡ ኵሉ እቲ ንጉስ ዳርዮስ ዝኣዘዞ ብቕልጡፍ ገበሩ። 14 እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከኣ ብትንቢት ነብዪ ሃጌን+ ዘካርያስ+ ወዲ ወዱ ንዒዶን እናተደፋፍኡ ይሃንጹን የስልጡን ነበሩ፣+ ብትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን+ ብትእዛዝ ቂሮስን+ ዳርዮስን+ ኣርታሕሻስታ+ ንጉስ ፋርስን ድማ ሃኒጾም ወድኡ። 15 እታ ቤት ከኣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ወርሒ ኣዳር፡* ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት ንግስና ንጉስ ዳርዮስ ተፈጸመት። 16 ሽዑ፡ እስራኤላውያን፡ እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን+ እቶም ዝተረፉ ምሩኻት ዝነበሩን፡ ነዛ ቤት ኣምላኽ እዚኣ ብሓጐስ መረቕዋ።* 17 ንመመረቕታ እዛ ቤት ኣምላኽ እዚኣ ኸኣ 100 ብዕራይን 200 ድዑልን 400 ገንሸልን፡ መስዋእቲ ሓጢኣት ኪኸውን ድማ ከም ቍጽሪ ነገዳት እስራኤል 12 ድቤላ ንዅሉ እስራኤል ኣቕረቡ።+ 18 ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጻሒፉ ዘሎ ኸኣ፡+ ኣብ የሩሳሌም ንኣገልግሎት ኣምላኽ ኪዀኑ፡ ነቶም ካህናት በብጕጅለኦም፡ ነቶም ሌዋውያን ድማ በብኽፍሎም ሸምዎም።+ 19 እቶም ምሩኻት ዝነበሩ ኸኣ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ፋስጋ ኣብዓሉ።+ 20 እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ርእሶም ኣንጺሆም ነበሩ እሞ፡+ ኵላቶም ንጹሃት ነበሩ። ንዅሎም እቶም ምሩኻት ዝነበሩን ንኣሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ከኣ መስዋእቲ ፋስጋ ሓረዱ። 21 እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ እስራኤላውያን ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬምልኽ* ኢሉ ምሳታቶም ምስ ዝሓበረን ካብ ርኽሰት ኣህዛብ እታ ምድሪ ርእሱ ምስ ዝፈለየን ዘበለ ዅሉ ዀይኖም ካብኡ በልዑ።+ 22 የሆዋ ኣሐጒስዎም ነበረ፡ ልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ድማ፡+ ንሱ ኣብ ዕዮ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ደጊፍዎም* ነበረ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣብዓሉ።+ 10 እዝራ እናጸለየን+ እናተናዘዘን እናበኸየን ኣብ ቅድሚ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተደፊኡ ኸሎ፡ ካብ እስራኤል ኣዝዮም ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ናብኡ ተኣከቡ፣ እቶም ህዝብስ ኣምሪሮም ይበኽዩ ነበሩ። 2 ሽዑ፡ ሸካንያ ወዲ የሒኤል+ ካብ ደቂ ዔላም+ ንእዝራ ኸምዚ በሎ፦ “ንሕና ኻብ ህዝብታት እዛ ምድሪ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና፡* ንኣምላኽና ጠሊምናዮ ኣለና።+ ይኹን እምበር፡ ንእስራኤል ገና ተስፋ ኣሎ። 3 ሕጂ ኸኣ ከም መምርሒ የሆዋን እቶም ንትእዛዝ ኣምላኽና ኣኽብሮት ዘለዎምን፡*+ ንዅለን ኣንስትን ነቶም ካባታተን እተወልዱን ክንሰድድ ምስ ኣምላኽና ኺዳን ንእቶ።+ ከምቲ ሕጊ ድማ ንግበር። 4 እዚ ነገር እዚ ሓላፍነትካ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ንሕና እውን ምሳኻ ኢና። በርትዕን ግበርን።” 5 ሽዑ፡ እዝራ ተንስአ፡ ከምቲ እተባህለ ኺገብሩ ኸኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንሌዋውያንን ንዅሎም እስራኤልን ኣምሓሎም።+ ንሳቶም ድማ መሓሉ። 6 እዝራ ኸኣ ካብ ቅድሚ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተንሲኡ ናብ ክፍሊ ቤት* ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ። ናብኡ እኳ እንተ ኸደ፡ ብጥልመት እቶም ምሩኻት ይሓዝን ስለ ዝነበረ፡ እንጌራ ኣይበልዐን፡ ማይ እውን ኣይሰተየን።+ 7 ኵሎም እቶም ምሩኻት ዝነበሩ ናብ የሩሳሌም ኪእከቡ ድማ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ኣዋጅ ኣወጁ። 8 ከም ውሳነ እቶም መሳፍንትን ዓበይትን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመጸ ዘበለ፡ ኵሉ ጥሪቱ ኺውረስ፡* ካብ ጉባኤ እቶም ምሩኻት ከኣ ኪውገድ ተነግረ።+ 9 ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ፡ ማለት ኣብ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 20 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኵሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ብሰንኪ እቲ ነገርን ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ዝናምን እናኣንቀጥቀጡ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። 10 ካህን እዝራ ኸኣ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፦ “ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውኩም፡ ጠሊምኩምን+ ንበደል እስራኤል ወሲኽኩምሉን ኢኹም። 11 ሕጂ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙሉ፡ ፍቓዱ እውን ግበሩ። ካብ ህዝብታት እዛ ምድርን ካብተን ጓኖት ኣንስትን ተፈለዩ።”+ 12 ሽዑ፡ ብዘለዉ እቶም ጉባኤ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም መለሱ፦ “ልክዕ ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ግቡእና እዩ። 13 ግናኸ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ እዩ፡ ግዜኡ ኸኣ ወቕቲ ዝናም እዩ። ኣብ ግዳም ደው ምባል ድማ ኣይከኣልን እዩ፣ ኣብዚ ነገር እዚ ኣዚና ዓሊና ኢና እሞ፡ እቲ ነገር ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ጥራይ ኣይኰነን ኪወስድ። 14 ስለዚ፡ በጃኻ፡ መሳፍንትና ንብዘሎ እቲ ጉባኤ ወኪሎም ይቝሙ።+ ነቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዚነድድ ቍጥዓ ኣምላኽና ኻባና ኽሳዕ እንመልሶ፡ እቶም ኣብ ከተማታትና ዘለዉ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ፡ መምስ ዓበይትን ፈራዶን ከተማ ኣብ ምዱብ ግዜ ይምጽኡ።” 15 ግናኸ፡ ዮናታን ወዲ ዓሳሄልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ነዚ ተቓወምዎ፣ መሹላምን ሻብታይን+ እቶም ሌዋውያን ከኣ ደገፍዎም። 16 እቶም ምሩኻት ዝነበሩ ግና ከምቲ እተሰማምዑሉ ገበሩ፣ ካህን እዝራን ርእስታት ማይ ቤታትን፡ ኵሎም በብስሞም እተሰምዩ ድማ፡ ነቲ ነገር ኪምርምሩ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ዓስረይቲ ወርሒ ተፈልዮም ተኣከቡ። 17 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኸኣ፡ ንነገር ኵሎም እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ሰብኡት ወድእዎ። 18 ካብ ደቂ ኻህናት ድማ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ እዞም ዚስዕቡ ተረኽቡ፦+ ካብ ደቂ እያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅን ኣሕዋቱን፡ ማዓስያን ኤልዔዘርን ያሪብን ገዳልያን። 19 ንሳቶም ግና ኣንስቶም ኪሰድዱ፡ በደልቲ ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ንበደሎም ካብ መጓሰ፡ ድዑል ኪስውኡ ቓል ኣተዉ።*+ 20 ካብ ደቂ ኢመር+ ድማ፡ ሓናኒን ዘባድያን፣ 21 ካብ ደቂ ሓሪም+ ከኣ፡ ማዓስያን ኤልያስን ሸማዕያን የሒኤልን ዑዝያን፣ 22 ካብ ደቂ ጳሽሑር+ ድማ፡ ኤልዮዔናይን ማዓስያን እስማኤልን ናትናኤልን ዮዛባድን ኤልዓሳን። 23 ካብ ሌዋውያን ከኣ፡ ዮዛባድን ሺምዒን ቄላያን (ንሱ ቀሊጣ) ጰታሕያን ይሁዳን ኤልዔዘርን፣ 24 ካብ ዘመርቲ ድማ፡ ኤልያሺብ፣ ካብ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ፡ ሻሉምን ጤሌምን ኡሪን። 25 ካብ እስራኤል ድማ፡ ካብ ደቂ ጳርዖሽ፡+ ራምያን ዪዝያን ማልክያን ሚያሚንን ኣልኣዛርን ማልክያን በናያን፣ 26 ካብ ደቂ ዔላም+ ከኣ፡ ማታንያን ዘካርያስን የሒኤልን+ ዓብዲን የሬሞትን ኤልያስን፣ 27 ካብ ደቂ ዛቱ+ ድማ፡ ኤልዮዔናይን ኤልያሺብን ማታንያን የሬሞትን ዛባድን ዓዚዛን፣ 28 ካብ ደቂ ቤባይ+ ከኣ፡ ዮሓናንን ሓናንያን ዛባይን ዓትላይን፣ 29 ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ መሹላምን ማሉክን ዓዳያን ያሹብን ሸኣልን የሬሞትን፣ 30 ካብ ደቂ ጳሓት-ሞኣብ+ ከኣ፡ ዓድናን ከላልን በናያን ማዓስያን ማታንያን በሳልኤልን ቢኑኢን ምናሴን፣ 31 ካብ ደቂ ሓሪም+ ድማ፡ ኤልዔዘርን ዪሺያን ማልክያን+ ሸማዕያን ሽምዖንን 32 ብንያምን ማሉክን ሸማርያን፣ 33 ካብ ደቂ ሓሹም+ ከኣ፡ ማትናይን ማታታን ዛባድን ኤሊፈለጥን የሬማይን ምናሴን ሺምዒን፣ 34 ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ ማዓዳይን ዓምራምን ኡኤልን 35 በናያን ቤድያን ከሉሂን 36 ዋንያን መሬሞትን ኤልያሺብን 37 ማታንያን ማትናይን የዓሳውን፣ 38 ካብ ደቂ ቢኑኢ ኸኣ፡ ሺምዒን 39 ሸለምያን ናታንን ዓዳያን 40 ማክናድባይን ሻሻይን ሻራይን 41 ዓዛርኤልን ሸለምያን ሸማርያን 42 ሻሉምን ኣማርያን ዮሴፍን፣ 43 ካብ ደቂ ኔቦ ድማ፡ የዒኤልን ማቲትያን ዛባድን ዘቢናን ያዳይን ዮኤልን በናያን። 44 ኵሎም እዚኣቶም ጓኖት ኣንስቲ ወሲዶም ነበሩ እሞ፡+ ነተን ኣንስቶም ምስ ደቀን ሰደድወን።+ 9 እዚ ነገር እዚ ምስ ተገብረ፡ እቶም መሳፍንቲ ናባይ ቀሪቦም ከምዚ በሉኒ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ካብ ህዝብታት ሃገራትን ካብ ፍንፉን ተግባራት ከነኣናውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን ግብጻውያንን+ ኣሞራውያንን+ ርእሶም ኣይፈለዩን።+ 2 ካብ ኣዋልዶም ንርእሶምን ንደቆምን ኣንስቲ ወሲዶም ኣለዉ።+ ሕጂ ኸኣ እዞም ቅዱስ ዘርኢ+ ምስ ህዝብታት ሃገራት ተሓዋዊሶም ኣለዉ።+ ኣብዚ ጥልመት እዚ ድማ፡ እቶም መሳፍንትን እቶም መኳንንትን ቀንዲ በደልቲ ዀይኖም ኣለዉ።” 3 እዚ ነገር እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ክዳነይን ቀምሸይን* ቀደድኩ፣ ጸጕሪ ርእሰይን ጭሕመይን ከኣ ነጸኹ፣ ሰምቢደ ኸኣ ኮፍ በልኩ። 4 ሰምቢደ ኽሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ኾፍ ኢለ ኸለኹ ድማ፡ ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮት ዘለዎም* ዘበሉ ዅሎም፡ ብምኽንያት ጥልመት እቶም ምሩኻት ናባይ ተኣከቡ።+ 5 ብግዜ ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ኸኣ፡+ ክዳነይን ቀምሸይን* ብቕዱዱ ኻብ ውርደተይ ተንሳእኩ፣ ብብርከይ ተምበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ የሆዋ ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ። 6 ከምዚ ኸኣ በልኩ፦ “ኦ ኣምላኸይ፡ ስሕተትና ኣብ ልዕሊ ርእስና በዚሑ፡ በደልና እውን ክሳዕ ሰማያት ተዀሚሩ እዩ እሞ፡ ኦ ኣምላኸይ፡ ገጸይ ናባኻ ምልዓል ኣሕፊሩንን ኣሕኒኹንን ኣሎ።+ 7 ካብ ዘመን ኣቦታትና ኣትሒዙ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ በደልና ዓብዪ ዀይኑ ኣሎ፣+ ብሰንኪ ስሕተትና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ንሰይፍን+ ንምርኮን+ ንዘመተን+ ንውርደትን ኣብ ኢድ ነገስታት ሃገራት ተዋሂብና ኣለና።+ 8 ሕጂ ግና ንሓጺር ህሞት፡ ተረፍ ከም ዜምልጡ ብምግባር፡ ኣዒንትና ምእንቲ ኼብርሃልናን ኣብ ባርነትና ቝሩብ ምእንቲ ኽንበራበርን ከኣ ኣብዛ ቕድስቲ ቦታኡ መዕቈቢ* ብምሃብ፡ ኦ ኣምላኽና፡ ካብ የሆዋ ኣምላኽና ሞገስ ረኺብና ኣለና።+ 9 ንሕና ባሮት ክነስናስ፡+ ኣምላኽና ኣብ ባርነትና ኣይሓደገናን፣ የግዳስ፡ ቤት ኣምላኽና ንምትንሳእን+ ዑናታታ ንምሕዳስን ኬበራብረና፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ድማ መንደቕ* ኪህበና ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ብተኣማንነት ኣፍቀረና።+ 10 “ሕጂ ግና ኦ ኣምላኽና፡ ድሕርዚ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ከመይሲ፡ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና፣ 11 እዚ ድማ እቲ ብገላዉኻ ነብያት ከምዚ ኢልካ ዝኣዘዝካና እዩ፦ ‘እታ እትርስተይዋ ምድሪ ብሰሪ ርኽሰት ህዝብታት እታ ምድሪ፡ ብሰሪ እቲ ኻብ ወሰን ክሳብ ወሰን ብርኽሰቶም ዝመልእዋ ፍንፉን ተግባራቶም፡ ርኽስቲ ምድሪ እያ።+ 12 ስለዚ፡ ኣዋልድኩም ንኣወዳቶም ኣይትሃቡ፣ ኣዋልዶም ከኣ ንኣወዳትኩም ኣይትውሰዱ፣+ ምእንቲ ኽትብርትዑን ጽቡቕ እታ ምድሪ ምእንቲ ኽትበልዑን ንደቅኹም ንዘለኣለም ምእንቲ ኸተረስትይዋን ድማ፡ ሰላሞምን ብልጽግናኦምን ኣይትድለዩ።’+ 13 እዚ ዅሉ ብሰሪ ኽፉእ ግብርናን ብሰሪ ዓብዪ በደልናን ኣብ ልዕሌና ምስ መጸ፡—ንስኻስ ኦ ኣምላኽና፡ ከም ስሕተትና ኣይገበርካናን፡+ ኣብዚ ዘለና ዘበልና ኸነምልጥ ፈቒድካልና ኢኻ እሞ፡+— 14 መሊስናዶ ትእዛዛትካ ኸነፍርስን ምስቶም ፍንፉን ነገራት ዚገብሩ ህዝብታት ክንዋሰብን ኢና፧+ ኣዚኻ ተቘጢዕካናስ ዚተርፍ ኰነ ዜምልጥ ከይሓደግካ ፈጺምካ ኣይተጥፍኣናንዶ፧ 15 ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሕና ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተረፍ ኴንና ኣምሊጥና ኢና እሞ፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ።+ ምስ በደልና ኣብ ቅድሜኻ ኣለና፣ ብሰንኪ እዝስ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኪብል ዚኽእል የልቦን።”+ 5 ነብዪ ሃጌን+ ነብዪ ዘካርያስ+ ወዲ ወዱ ንዒዶን+ ነቶም ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ዝነበሩ ኣይሁድ ብስም እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ኣምላኽ እስራኤል ተነበዩሎም። 2 ሽዑ፡ ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤልን እያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅን፡ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት ኣምላኽ ዳግም ኪሃንጽዋ ጀመሩ፣+ እቶም ነብያት ኣምላኽ ድማ ምሳታቶም ኰይኖም ይድግፍዎም ነበሩ።+ 3 በታ ግዜ እቲኣ፡ ታትናይ እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግን* ሼታር-ቦዝናይን ብጾቶምን ናባታቶም መጺኦም፡ “ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሃንጽዋ፡ ነዚ መዋቕር* እዚ እውን ክትውድእዎ መን ትእዛዝ ሂቡኩም፧” ኢሎም ሓተትዎም። 4 ኣስዒቦም እውን፡ “እቶም ኣብዚ ህንጸት እዚ ዚዓይዩ ሰባት መን እዩ ስሞም፧” ኢሎም ሓተትዎም። 5 ግናኸ፡ ኣምላኽ ንዓበይቲ ኣይሁድ ይሕልዎም ነበረ፣*+ ብዛዕባ እዚ፡ ጸብጻብ ናብ ዳርዮስ ክሳዕ ዚሰድዱን ወግዓዊ ሰነድ ተመሊሱ ኽሳዕ ዚመጽእን ድማ ደው ኣየበልዎምን። 6 ቅዳሕ እታ ታትናይ እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግን ሼታር-ቦዝናይን ብጾቱን፡ እቶም ንኡሳን ሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግ፡ ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዋ ደብዳበ እንሆ፣ 7 ንሳቶም ናብኡ ጸብጻብ ሰደዱ፣ እቲ ዝጸሓፍዎ ኸኣ እዚ እዩ፦ “ናብ ንጉስ ዳርዮስ፦ “ኵሉ ሰላም ይኹን። 8 ናብ ኣውራጃ ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ከም ዝኸድና ኣብ ንጉስ ይፈለጥ፣ ንሳ ድማ ናብ ቦታኡ ብእተንከባለለ ዓበይቲ ኣእማን ትህነጽ ኣላ፣ ኣብቲ መናድቕ ከኣ ኣዕጫው ይግበር ኣሎ። እቲ ዕዮ በቶም ህዝቢ ብሃንቀውታ ይዕየ ኣሎ፡ ብጻዕሮም ከኣ የስልጡ ኣለዉ። 9 ሽዑ፡ ንዓበይቶም፡ ‘ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሃንጽዋ፡ ነዚ መዋቕር* እዚ እውን ክትውድእዎ መን ትእዛዝ ሂቡኩም፧’ ኢልና ሓቲትናዮም።+ 10 ስማት እቶም ዚመርሕዎም ጽሒፍና ምእንቲ ኸነፍልጠካ ኢልና እውን፡ ስማቶም ሓቲትናዮም። 11 “እቲ ዝሃቡና ምላሽ እዚ እዩ፦ ‘ንሕና ገላዉ እቲ ኣምላኽ ሰማያትን ምድርን ኢና። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑ ወዲእዋ ዝነበረ ቤት ድማ ዳግም ንሃንጽ ኣለና።+ 12 ግናኸ፡ ኣቦታትና ነቲ ኣምላኽ ሰማያት ስለ ዘቘጥዕዎ፡+ ንሱ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ሃቦም፣ ንሱ ኸኣ ነዛ ቤት እዚኣ ኣፍረሳ፡+ ነቲ ህዝቢ እውን ናብ ባቢሎን ማረኾ።+ 13 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ግና፡ ንጉስ ቂሮስ፡ እዛ ቤት እዚኣ ዳግም ክትህነጽ ትእዛዝ ኣውጽአ።+ 14 ብተወሳኺ፡ ንጉስ ቂሮስ ነቲ ነቡካድነጻር ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ወሲዱ ናብ ቤተ መቕደስ ባቢሎን ዘምጽኦ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን፡ ካብ ቤተ መቕደስ ባቢሎን ኣውጽኦ።+ ንሓደ ሹም ዝገበሮ+ ሸሽባጻር*+ ዚብሃል ከኣ ሃቦ። 15 ቂሮስ ድማ፡ “ነዚ ኣቕሑ እዚ ውሰዶ። ኪድ እሞ፡ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስ ኣንብሮ፣ ቤት ኣምላኽ ከኣ ኣብታ ናይ ቀደም ቦታኣ ዳግም ትተሃነጽ” በሎ።+ 16 ሽዑ፡ ሸሽባጻር መጸ፡ መሰረታት እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ድማ ሰረተ፣+ ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ትህነጽ ኣላ፣ ግናኸ ኣይተፈጸመትን።’+ 17 “እምበኣር፡ ንንጉስ ጽቡቕ እንተ መሲልዎ፡ ንጉስ ቂሮስ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ክትህነጽ ትእዛዝ ኣውጺኡ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ፡ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ መዛግብቲ ንጉስ ይመርመር፣+ ንጉስ ድማ ብዛዕባ እዚ ዝወሰኖ ውሳነ ይልኣኸልና።” 3 ኤልያሺብ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኣሕዋቱ እቶም ካህናትን ድማ ተንሲኦም ነቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ሃነጽዎ።+ ድሕሪኡ፡ ቀደስዎን*+ መዓጹ ኣቘሙሉን፣ ክሳብ ግምቢ ሜኣህ፡+ ክሳብ ግምቢ ሓናንኤል ከኣ ቀደስዎ።+ 2 ኣብ ጐድኖም ድማ ሰብ ያሪኮ+ ይሃንጹ ነበሩ፣ ኣብ ጐድኖም ከኣ ዛኩር ወዲ ኢምሪ ይሃንጽ ነበረ። 3 ደቂ ሃሰና ድማ ኣፍ ደገ ዓሳ ሃነጹ፣+ ልዳት ገጠሙሉ፡+ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ከኣ ገበሩሉ። 4 ኣብ ጐድኖም ድማ መሬሞት+ ወዲ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ጸገነ፣ ኣብ ጐድኖም ከኣ መሹላም+ ወዲ በረክያ ወዲ መሸዛብኤል ጸገነ፣ ኣብ ጐድኖም ድማ ጻዶቅ ወዲ ባዓና ጸገነ። 5 ኣብ ጐድኖም ከኣ ተቆዓውያን+ ጸገኑ፣ እቶም ምርኡያቶም ግና ኣብቲ ኣገልግሎት ጐይተቶም ንምስታፍ ርእሶም ኣየትሓቱን።* 6 ዮያዳ ወዲ ጳሴሓን መሹላም ወዲ በሶድያን ድማ ንኣፍ ደገ ኣረጊት ከተማ ጸገንዎ፣+ ልዳት ገጠሙሉ፡ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ከኣ ገበሩሉ። 7 ኣብ ጐድኖም ድማ መላጥያ እቲ ጊብዖናውን+ ያዶን እቲ ሜሮኖታውን፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን* እቲ ሹም ስግር እቲ ፈለግ*+ ዝነበሩ ሰብ ጊብዖንን ሚጽጳን+ ጸገኑ። 8 ኣብ ጐድኖም ከኣ ዑዚኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ሓደ ኻብቶም ኣንጠረኛታት ወርቂ ጸገነ፣ ኣብ ጐድኑ ድማ ሓናንያ፡ ሓደ ኻብቶም ቀመምቲ ቕብኢ፡* ጸገነ፣ ንየሩሳሌም ከኣ ክሳብ እቲ ገፊሕ መካበብያ ኣእማን ኣንጸፉላ።+ 9 ኣብ ጐድኖም ድማ ረፋያ ወዲ ሑር፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ የሩሳሌም ጸገነ። 10 ኣብ ጐድኖም ከኣ የዳያ ወዲ ሓሩማፍ ኣብ መንጽር ቤቱ ጸገነ፣ ኣብ ጐድኑ ድማ ሓጡሽ ወዲ ሓሻብነያ ጸገነ። 11 ማልክያ ወዲ ሓሪምን+ ሓሹብ ወዲ ጳሓት-ሞኣብን+ ከኣ ካልእ ክፋልን* ግምቢ እቶንን ጸገኑ።+ 12 ኣብ ጐድኖም ድማ ሻሉም ወዲ ሃሎሔሽ፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ የሩሳሌም፡ ምስ ኣዋልዱ ዀይኑ ጸገነ። "13 ሓኑንን ነበርቲ ዛኖኣን+ ከኣ ኣፍ ደገ ስንጭሮ ጸገኑ፣+ ሃኒጾም ድማ፡ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ገበሩሉ፣ ክሳብ ኣፍ ደገ ዅምራ ሓምዅሽቲ ኸኣ 1,000 እመት* ጸገኑ።+" 14 ማልክያ ወዲ ሬካብ፡ መስፍን ወረዳ ቤት-ሃካሬም+ ድማ፡ ኣፍ ደገ ዅምራ ሓምዅሽቲ ጸገነ፣ ሃኒጹ ኸኣ፡ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ገበረሉ። 15 ሻሉን ወዲ ኮልሖዜ፡ መስፍን ወረዳ ሚጽጳ+ ድማ፡ ኣፍ ደገ ዓይኒ ማይ ጸገነ፣+ ሃኒጹ ኸኣ ናሕሲ ገይሩ ኸደኖ፡ መዓጹን ሰጋጣትን ተገዳማትን ድማ ገበሩሉ፣ መካበብያ እቲ ሓጽቢ+ መትረብ ስፍራ ኣታኽልቲ ንጉስ፡+ ክሳብ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት+ ዚወርድ መደያይቦ+ ጸገነ። 16 ብድሕሪኡ፡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቕ፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ ቤት-ጹር፡+ ካብ መንጽር መቓብራት ዳዊት+ ክሳብ እቲ እተሰርሐ ሓጽቢ፡+ ክሳብ ቤት እቶም ጀጋኑ ጸገነ። 17 ብድሕሪኡ፡ እቶም ሌዋውያን፡ ረሑም ወዲ ባኒ ጸገኑ፣ ኣብ ጐድኑ ኸኣ ሓሻብያ፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ ቅዒላ፡+ ኣብ ክንዲ ወረዳኡ ጸገነ። 18 ብድሕሪኡ፡ ኣሕዋቶም፡ ባዋይ ወዲ ሔናዳድ፡ መስፍን ፍርቂ ወረዳ ቅዒላ ጸገኑ። 19 ኣብ ጐድኑ ድማ ኤጸር ወዲ እያሱ፡+ መስፍን ሚጽጳ፡ ኣብ መንጽር እቲ ናብ ቤት ኣጽዋር ዜደይብ ዓቐበት፡ ኣብቲ ደጋፍ መንደቕ ካልእ ክፋል ጸገነ።+ 20 ብድሕሪኡ፡ ባሩኽ ወዲ ዛባይ+ ተጊሁ ዓየየ፡ ካብቲ ደጋፍ መንደቕ ክሳብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልያሺብ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ዘሎ ኻልእ ክፋል እውን ጸገነ። 21 ብድሕሪኡ፡ መሬሞት+ ወዲ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ካብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልያሺብ ክሳብ ወሰን ቤት ኤልያሺብ ዘሎ ኻልእ ክፋል ጸገነ። 22 ብድሕሪኡ ኸኣ፡ እቶም ካህናት፡ እቶም ሰብ ከባቢ ዮርዳኖስ*+ ጸገኑ። 23 ብድሕሪኦም፡ ብንያምን ሓሹብን ኣብ መንጽር ቤቶም ጸገኑ። ብድሕሪኦም፡ ዓዛርያ ወዲ ማዓስያ ወዲ ዓናንያ ኣብ ጥቓ ቤቱ ጸገነ። 24 ብድሕሪኡ፡ ቢኑኢ ወዲ ሔናዳድ ካብ ቤት ዓዛርያ ኽሳብ እቲ ደጋፍ መንደቕን+ ክሳብ እቲ መኣዝንን ዘሎ ኻልእ ክፋል ጸገነ። 25 ብድሕሪኡ፡ ጳላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንጽር እቲ ደጋፍ መንደቕን እቲ ኻብ ቤት* ንጉስ ዚወጽእ ግምብን፡+ ኣብቲ ናይ ኣጸድ ሓለውቲ ዝዀነ ላዕለዋይ ክፋል ጸገነ።+ ብድሕሪኡ፡ ጰዳያ ወዲ ጳርዖሽ ነበረ።+ 26 እቶም ኣብ ዖፌል ዚነብሩ+ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ*+ ድማ ክሳብ መንጽር ኣፍ ደገ ማይ+ ብምብራቕን ክሳብ እቲ ውጽእ ዝበለ ግምብን ጸገኑ። 27 ብድሕሪኦም፡ እቶም ተቆዓውያን+ ካብ መንጽር እቲ ውጽእ ዝበለ ግምቢ ኽሳብ መካበብያ ዖፌል ካልእ ክፋል ጸገኑ። 28 እቶም ካህናት ኣብ ልዕሊ ኣፍ ደገ ኣፍራስ፡+ ነፍሲ ወከፎም ኣብ መመንጽር ቤቶም ጸገኑ። 29 ብድሕሪኦም፡ ጻዶቅ+ ወዲ ኢመር ኣብ መንጽር ቤቱ ጸገነ። ብድሕሪኡ፡ ሸማዕያ ወዲ ሸካንያ እቲ ሓላው ኣፍ ደገ ምብራቕ+ ጸገነ። 30 ብድሕሪኡ፡ ሓናንያ ወዲ ሸለምያን ሓኑን እቲ ሻድሻይ ወዲ ጻላፍን ካልእ ክፋል ጸገኑ። ብድሕሪኡ፡ መሹላም+ ወዲ በረክያ ኣብ መንጽር ኣዳራሹ ጸገነ። 31 ብድሕሪኡ፡ ማልክያ ኣባል እቶም ኣንጠረኛታት ወርቂ፡ ክሳብ ቤት እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን*+ እቶም ነጋዶን፡ ኣብ መንጽር ኣፍ ደገ መርመራ፡ ከምኡ እውን ክሳብ እቲ ደርቢ መኣዝን ጸገነ። 32 ኣብ መንጎ እቲ ደርቢ መኣዝንን ኣፍ ደገ ኣባጊዕን+ ድማ ኣንጠረኛታት ወርቅን ነጋዶን ጸገኑ። 7 እቲ መካበብያ ዳግም ምስ ተሃንጸ፡+ መዓጹ ኣቘምኩሉ።+ ሓለውቲ ኣፍ ደገን+ ዘመርትን+ ሌዋውያንን+ ድማ ተሸሙ። 2 ንሓወይ ሓናኒን+ ንሓናንያ እቲ ሓለቓ ዕርድን፡+—ንሱስ ካብ ብዙሓት ካልኦት ብዝያዳ እሙንን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈርህን ነበረ እሞ፡+—ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ሓላፍነት ሃብክዎም። 3 ከምዚ ኸኣ በልክዎም፦ “ጸሓይ ክሳዕ ዚመውቕ፡ ኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኣይከፈት፣ ደው ኢሎም ኪሕልዉ ኸለዉ ድማ ነቲ መዓጹ ይዕጸውዎን ይሰግጥዎን። ንነበርቲ የሩሳሌም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ መምዱብ መሐለዊኡን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቀቅድሚ ቤቱን ኪሕልዉ መድብዎም።” 4 እታ ኸተማ ድማ ገፋሕን ዓባይን ነበረት፣ ኣብ ውሽጣ ኸኣ ሒደት ህዝቢ ነበሩ፣+ ኣባይቲ እውን ዳግም ኣይተሃንጻን ነበራ። 5 ግናኸ፡ ነቶም ልዑላንን ነቶም መኳንንትን ነቶም ህዝብን በብወለዶ ንምምዝጋብ ክእክቦም፡ ኣምላኽ ኣብ ልበይ ኣንበረለይ።+ መጽሓፍ ምዝገባ ወለዶ እቶም ቀዳሞት ዝደየቡ ድማ ረኸብኩ፣ ኣብኣ እውን ከምዚ ዚብል ተጻሒፉ ረኸብኩ፦ 6 እቶም ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ+ እሞ ናብ የሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ እተመልሱ+ ኻብ ምርኮ ዝደየቡ ምሩኻት ህዝቢ እቲ ኣውራጃ እዚኣቶም እዮም፣ 7 ንሳቶም ምስ ዘሩባቤልን+ እያሱን+ ነህምያን ዓዛርያን ራዓምያን ናሓማኒን ማርዶካይን ቢልሻንን ሚስጰረትን ቢግዋይን ነሑምን ባዓናን ዝመጹ እዮም። ቍጽሪ እቶም እስራኤላውያን ሰብኡት ነዚኣቶም የጠቓልል፦+ "8 ደቂ ጳርዖሽ 2,172፣" 9 ደቂ ሸፋጥያ 372፣ 10 ደቂ ኣራሕ+ 652፣ "11 ደቂ ጳሓት-ሞኣብ+ ካብ ደቂ እያሱን ዮኣብን+ 2,818፣" "12 ደቂ ዔላም+ 1,254፣" 13 ደቂ ዛቱ 845፣ 14 ደቂ ዛካይ 760፣ 15 ደቂ ቢኑኢ 648፣ 16 ደቂ ቤባይ 628፣ "17 ደቂ ዓዝጋድ 2,322፣" 18 ደቂ ኣዶኒቃም 667፣ "19 ደቂ ቢግዋይ 2,067፣" 20 ደቂ ዓዲን 655፣ 21 ደቂ ኣጤር ካብ ህዝቅያስ 98፣ 22 ደቂ ሓሹም 328፣ 23 ደቂ ቤጻይ 324፣ 24 ደቂ ሓሪፍ 112፣ 25 ደቂ ጊብዖን+ 95፣ 26 ሰብ ቤት-ልሄምን ነጦፋን 188፣ 27 ሰብ ዓናቶት+ 128፣ 28 ሰብ ቤት-ዓዝማዌት 42፣ 29 ሰብ ቂርያት-የዓሪምን+ ከፊራን ብኤሮትን+ 743፣ 30 ሰብ ራማን ጌባዕን+ 621፣ 31 ሰብ ሚኽማሽ+ 122፣ 32 ሰብ ቤት-ኤልን+ ዓይን+ 123፣ 33 ሰብ እታ ኻልአይቲ ኔቦ 52፣ "34 ደቂ እቲ ኻልኣይ ዔላም 1,254፣" 35 ደቂ ሓሪም 320፣ 36 ደቂ ያሪኮ 345፣ 37 ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖን+ 721፣ "38 ደቂ ሰናኣ 3,930። " 39 ካህናት፦+ ደቂ የዳዕያ ኻብ ቤት እያሱ 973፣ "40 ደቂ ኢመር 1,052፣" "41 ደቂ ጳሽሑር+ 1,247፣" "42 ደቂ ሓሪም+ 1,017። " 43 ሌዋውያን፦+ ደቂ እያሱ ኻብ ቃድሚኤል+ ካብ ደቂ ሆዴዋ 74። 44 ዘመርቲ፦+ ደቂ ኣሳፍ+ 148። 45 ሓለውቲ ኣፍ ደገ፦+ ደቂ ሻሉም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደቂ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቁብ፡+ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ፡ 138። 46 ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ፦*+ ደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣባዖት፡ 47 ደቂ ቄሮስ፡ ደቂ ሲዓ፡ ደቂ ፋዶን፡ 48 ደቂ ለባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ሻልማይ፡ 49 ደቂ ሓናን፡ ደቂ ጊደል፡ ደቂ ጋሓር፡ 50 ደቂ ረኣያ፡ ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቆዳ፡ 51 ደቂ ጋዛም፡ ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ጳሴሓ፡ 52 ደቂ ቤሳይ፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሸሲም፡ 53 ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡ 54 ደቂ ባጽሊት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡ 55 ደቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲሰራ፡ ደቂ ታማሕ፡ 56 ደቂ ነጺኣሕ፡ ደቂ ሓጢፋ። 57 ደቂ ገላዉ ሰሎሞን፦+ ደቂ ሶጣይ፡ ደቂ ሶፈረት፡ ደቂ ጰሪዳ፡ 58 ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል፡ 59 ደቂ ሸፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ጶከረት-ሃጸባይም፡ ደቂ ኣሞን። 60 ኵሎም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን*+ ደቂ ገላዉ ሰሎሞንን 392 ነበሩ። 61 ካብ ቴል-ሜላሕን ቴል-ሓርሻን ከሩብን ኣዶንን ኢመርን ዝደየቡ፡ ግናኸ፡ እስራኤላውያን እንተ ዀይኖም፡ ማይ ቤቶምን ዘርኦምን ኬረጋግጹ ዘይከኣሉ ድማ እዚኣቶም እዮም፦+ 62 ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ፡ 642። 63 ካብ ካህናት ከኣ፦ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡+ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደን ብስሞም እተሰምየን ባርዚላይ። 64 እዚኣቶም ወለዶኦም ንምርግጋጽ መዛግብቶም ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን፣ ካብ ክህነት ድማ ተኸልከሉ።*+ 65 እቲ ሹም*+ ከኣ፡ ብኡሪምን ቱሚምን ኪሓትት ዚኽእል ካህን ክሳዕ ዚትንስእ+ ካብቲ ቕዱስ ቅዱሳን ከይበልዑ ኣዘዞም።+ "66 ድምር ቍጽሪ ብዘሎ እቲ ጉባኤ 42,360 ነበረ፣+" "67 እዚ ድማ ብዘይ እቶም 7,337 ዝዀኑ ተባዕትዮ ባሮትን ኣንስትዮ ባሮትን እዩ፣+ 245 ተባዕትዮ ዘመርትን ኣንስትዮ ዘመርትን ከኣ ነበርዎም።+" 68 ኣፍራሶም 736፡ ኣባቕሎም 245፡ "69 ኣግማሎም 435፡ ኣእዱጎም 6,720 ነበሩ። " "70 ገለ ኻብ ርእስታት ማይ ቤታት ነቲ ዕዮ መባእ ሃቡ።+ እቲ ሹም* ነቲ መዝገብ 1,000 ድራክማ* ወርቅን 50 ጭሔሎን 530 ወለል ዚብል ክዳን ካህናትን ሃበ።+" "71 ገለ ኻብ ርእስታት ማይ ቤታት ድማ ንመዝገብ እቲ ዕዮ 20,000 ድራክማ ወርቅን 2,200 ምና* ብሩርን ሃቡ።" "72 እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸኣ፡ 20,000 ድራክማ ወርቅን 2,000 ምና ብሩርን 67 ወለል ዚብል ክዳን ካህናትን ሃቡ። " 73 እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን+ ገለ ኻብቲ ህዝብን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* ኵሎም እቶም ዝተረፉ እስራኤልን* ድማ ኣብ ከተማታቶም ሰፈሩ።+ ሻውዐይቲ ወርሒ ምስ መጸት፡+ እስራኤላውያን ኣብ ከተማታቶም ሰፈሩ።+ 12 እቶም ምስ ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤልን+ ምስ እያሱን+ ዝደየቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፦ ሰራያ፡ ኤርምያስ፡ እዝራ፡ 2 ኣማርያ፡ ማሉክ፡ ሓጡሽ፡ 3 ሸካንያ፡ ረሑም፡ መሬሞት፡ 4 ዒዶ፡ ጊነቶይ፡ ኣብያ፡ 5 ሚያሚን፡ ማዓድያ፡ ቢልጋ፡ 6 ሸማዕያ፡ ዮያሪብ፡ የዳዕያ፡ 7 ሳሉ፡ ዓሞቅ፡ ሒልቅያ፡ የዳዕያ። እዚኣቶም ብዘመን እያሱ፡ ርእስታት ካህናትን ኣሕዋቶምን ነበሩ። 8 ሌዋውያን ድማ፡ እያሱ፡ ቢኑኢ፡ ቃድሚኤል፡+ ሸረብያ፡ ይሁዳ፡ እቲ ምስ ኣሕዋቱ መዝሙር ምስጋና ዚመርሕ ማታንያ+ ነበሩ። 9 ኣሕዋቶም ባቅቡቅያን ዑኒን ከኣ ኣብ መንጽሮም ኣብ ሓለዋኦም* ደው በሉ። 10 እያሱ ንዮያቂም ወለደ፡ ዮያቂም ንኤልያሺብ+ ወለደ፡ ኤልያሺብ ድማ ንዮያዳ።+ 11 ዮያዳ ኸኣ ንዮናታን ወለደ፡ ዮናታን ድማ ንያዱዓ ወለደ። 12 ብዘመን ዮያቂም ከኣ እቶም ካህናት፡ ርእስታት ማይ ቤታት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሰራያ፡+ መራያ፣ ካብ ኤርምያስ፡ ሓናንያ፣ 13 ካብ እዝራ፡+ መሹላም፣ ካብ ኣማርያ፡ ዮሓናን፣ 14 ካብ ማሉኪ፡ ዮናታን፣ ካብ ሸባንያ፡ ዮሴፍ፣ 15 ካብ ሓሪም፡+ ዓድና፣ ካብ መራዮት፡ ሔልቃይ፣ 16 ካብ ዒዶ፡ ዘካርያስ፣ ካብ ጊነቶን፡ መሹላም፣ 17 ካብ ኣብያ፡+ ዚክሪ፣ ካብ ሚንያሚን፡ . . . ፣* ካብ ሞዓድያ፡ ጲልጣይ፣ 18 ካብ ቢልጋ፡+ ሻሙዓ፣ ካብ ሸማዕያ፡ ዮናታን፣ 19 ካብ ዮያሪብ ድማ፡ ማትናይ፣ ካብ የዳዕያ፡+ ዑዚ፣ 20 ካብ ሳላይ፡ ቃላይ፣ ካብ ዓሞቅ፡ ዔበር፣ 21 ካብ ሒልቅያ፡ ሓሻብያ፣ ካብ የዳዕያ፡ ናትናኤል። 22 እቶም ብዘመን ኤልያሺብን ዮያዳን ዮሓናንን ያዱዓን+ ዝነበሩ ርእስታት ማይ ቤታት ሌዋውያን ተመዝገቡ፣ እቶም ካህናት እውን ክሳዕ ንግስና ዳርዮስ እቲ ፋርሳዊ ኸምኡ ተመዝገቡ። 23 እቶም ርእስታት ማይ ቤታት ዝነበሩ ሌዋውያን፡ ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመናት ተመዝገቡ። 24 እቶም ርእስታት ሌዋውያን ከኣ፡ ሓሻብያን ሸረብያን እያሱ+ ወዲ ቃድሚኤልን+ ነበሩ፣ ኣሕዋቶም ድማ፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊት እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ኪውድሱን ኬመስግኑን+ ጕጅለ ሓለዋ ኣብ ጐድኒ ጕጅለ ሓለዋ ዀይኖም ኣብ መንጽሮም ደው ኢሎም ነበሩ። 25 ማታንያን+ ባቅቡቅያን ኦብድያን መሹላምን ጣልሞንን ዓቁብን+ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገታት ዘሎ ማዕከናት እናሓለዉ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ ዀይኖም ደው ኢሎም ነበሩ። 26 እዚኣቶም ብዘመን ዮያቂም ወዲ እያሱ+ ወዲ ዮጻዳቅን ብዘመን ነህምያ እቲ ሹምን ካህን እዝራ+ እቲ ቐዳሕን* ኣገልገሉ። 27 ኣብ መመረቕታ እቲ መካበብያ የሩሳሌም ነቶም ሌዋውያን ደለይዎም፣ ነቲ መመረቕታ ብሓጐስን ብመዝሙር ምስጋናን+ ብጸናጽል ሸሓንን ብበገናን ብመሰንቆን* ኬብዕልዎ ድማ፡ ካብ ኵሉ እቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታታት ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎም። 28 ደቂ ዘመርቲ* ኸኣ ካብቲ ኸባቢ፡* ካብ ከባቢ የሩሳሌምን ካብ ሰፈራት ነጦፋታውያንን+ 29 ካብ ቤት-ጊልጋልን+ ካብ ግራውቲ ጌባዕን+ ዓዝማዌትን+ ተኣከቡ፣ እቶም ዘመርትስ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ሰፈራት ሰሪሖም ነበሩ። 30 እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነጽሁ፣ ነቲ ህዝብን+ ነቲ ኣፍ ደገታትን+ ነቲ መካበብያን+ ከኣ ኣንጽህዎ። 31 ነቶም መሳፍንቲ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎም። ክልተ ዓበይቲ ዜመስግኑ ጕጅለ ዘመርትን ዓጀብትን ከኣ ኣቘምኩ፣ እቶም ሓደ ኣብቲ መካበብያ ብየማን ናብ ኣፍ ደገ ዅምራ ሓምዅሽቲ+ ኣቢሎም ከዱ። 32 ሆሻዕያን ፍርቂ መሳፍንቲ ይሁዳን ከኣ ደድሕሪኦም ከዱ፣ 33 ምሳታቶም ድማ ዓዛርያን እዝራን መሹላምን 34 ይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን ነበሩ። 35 መለኸቶም ሒዞም ምሳታቶም ዝነበሩ ገለ ኻብ ደቂ ኻህናት+ ከኣ፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን ወዲ ሸማዕያ ወዲ ማታንያ ወዲ ሚካያ ወዲ ዛኩር ወዲ ኣሳፍ፡+ 36 ኣሕዋቱ ድማ ሸማዕያን ዓዛርኤልን ሚላላይን ጊላላይን ማዓይን ናትናኤልን ይሁዳን ሓናኒን ናውቲ ሙዚቃ ዳዊት+ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ዝሓዙ ነበሩ፣ እዝራ+ እቲ ቐዳሒ* ኸኣ ቀቅድሚኦም ከደ። 37 ኣብ ኣፍ ደገ ዓይኒ ማይ+ በቲ መደያይቦ+ እታ ኸተማ ዳዊት+ በቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊት ዘሎ ዓቐበት ናብ ምብራቕ ናብቲ ኣፍ ደገ ማይ+ ትኽ ኢሎም ደየቡ። 38 እቶም ካልኣይ ዜመስግኑ ጕጅለ ዘመርቲ ኸኣ ብመንጽር ከዱ፣ ደድሕሪኦም ድማ ኣነን ፍርቂ እቲ ህዝብን፡ ኣብቲ መካበብያ ኣብ ልዕሊ እቲ ግምቢ እቶንን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ገፊሕ መካበብያን+ 39 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ኣረጊት ከተማን+ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዓሳን+ ግምቢ ሓናንኤልን+ ግምቢ ሜኣህን ኣብ ልዕሊ ኣፍ ደገ ኣባጊዕን+ ነበርና፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ደው በሉ። 40 እቶም ክልተ ዜመስግኑ ጕጅለ ዘመርቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደው በሉ፣ ከምኡ ኸኣ ኣነ፡ ፍርቂ እቶም መኳንንቲ ድማ ምሳይ፡ 41 እቶም ካህናት ከኣ፡ ኤልያቂም፡ ማዓስያ፡ ሚንያሚን፡ ሚካያ፡ ኤልዮዔናይ፡ ዘካርያስ፡ ሓናንያ መለኸት ሒዞም፡ 42 ድማ ማዓስያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን ዮሓናንን ማልክያን ዔላምን ኤጸርን። እቶም ዘመርቲ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሓላውነት* ይዝራሕያ ዓው ኢሎም ዘመሩ። 43 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዓብዪ መስዋእቲ ሰውኡ፣ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ተሓጐሱ።+ እተን ኣንስትን እቶም ቈልዑን ድማ ተሓጐሱ፣+ ሓጐስ የሩሳሌም እውን ክሳብ ርሑቕ ኪስማዕ ይኽእል ነበረ።+ 44 ብምኽንያት እቶም ዜገልግሉ ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ኣብ ይሁዳ ሓጐስ ነበረ እሞ፡ እቲ ብሕጊ+ ንኻህናትን ንሌዋውያንን+ ዚግባእ ግደታት ካብ ግራውቲ ኸተማታት ናብኡ ኺእክቡስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንመባእን+ ንበዅሪ ፍረን+ ንዕሽርን+ ዚኸውን ማዕከናት+ ዜገልግሉ ሰባት ተሸሙ። 45 ንሳቶም ድማ ሓላፍነት ኣምላኾምን ግዴታ ንጽህናን ኪስከሙ ጀመሩ፣ እቶም ዘመርትን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ከኣ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ወዱ ሰሎሞንን ከምኡ ገበሩ። 46 ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍንሲ፡ ነቶም ዘመርትን ነቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ መዝሙራት ውዳሰን ምስጋናን ኣለይቲ* ነበሩ።+ 47 ብዘመን ዘሩባቤልን+ ብዘመን ነህምያን ከኣ፡ ኵሉ እስራኤል ነቶም ዘመርትን+ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገን+ ነንመዓልቲ ዜድልዮም ግደታት ሃብዎም። ግደ ሌዋውያን እውን ፈለዩ፣+ እቶም ሌዋውያን ድማ ግደ ደቂ ኣሮን ፈለዩ። 1 ዘረባ ነህምያ*+ ወዲ ሓካልያ፦ ኣብ ወርሒ ከስለው፡* ኣብ መበል 20 ዓመት፡ ኣነ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ነበርኩ። 2 ሽዑ፡ ሓናኒ+ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይ ምስ ካልኦት ሰብ ይሁዳ መጸ። ኣነ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡ ዝተረፉ ኣይሁድን+ ብዛዕባ የሩሳሌምን ሓተትክዎም። 3 ንሳቶም ድማ፡ “እቶም ካብ ምርኮ ተሪፎም ኣብታ ኣውራጃ ዚነብሩ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታትን ኣብ ውርደትን እዮም ዘለዉ።+ መካበብያ የሩሳሌም ፈሪሱ፡+ ኣፍ ደገታታ ኸኣ ብሓዊ ነዲዱ ኣሎ” ኢሎም መለሱለይ።+ 4 እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ተቐሚጠ ሓያሎ መዓልትታት በኸኹን ሓዘንኩን፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማያት ድማ እጸውምን+ እጽልን ነበርኩ። 5 ከምዚ ኸኣ በልኩ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ ኣታ ንዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ንዚሕልዉን ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን ዓብይን ዜፍርህን ኣምላኽ፡+ 6 እቲ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሜኻ ዝሓጥእዎ ሓጢኣት እናተናዘዝኩ፡ ኣነ ሎሚ ብዛዕባ ገላዉኻ እስራኤላውያን መዓልትን ለይትን ዝጽልዮ ዘለኹ ጸሎት ጊልያኻ ንምስማዕ፡+ በጃኻ፡ እዝንኻ ጽን ትበል፡ ኣዒንትኻ እውን ይከፈታ። ኣነን ቤት ኣቦይን ሓጢእና ኢና።+ 7 ንጊልያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን ብዘይምሕላውና፡+ ብርግጽ ኣብ ቅድሜኻ ተበላሺና ኢና።+ 8 “በጃኻ፡ እቲ ንጊልያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝኣዘዝካዮ ቓል* ዘክር፦ ‘እንተ ጠሊምኩም፡ ኣነ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ።+ 9 ናባይ እንተ ተመሊስኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሊኹምን እንተ ተኣዚዝኩምን ግና፡ እቶም እተበተኑ ህዝብኹም ኣብ ወሰን ሰማያት እኳ እንተ ዚህልዉ፡ ካብኡ ኽእክቦም፡+ ናብታ ስመይ ከንብረላ ዝሓረኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ።’+ 10 ንሳቶም ብዓብዪ ሓይልኻን ብብርትዕቲ ኢድካን እተበጆኻዮም ገላዉኻን ህዝብኻን እዮም።+ 11 ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ እዝንኻ ንጸሎት ጊልያኻን ንጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ደስ ዚብሎም ገላዉኻን ጽን ትበል፣ በጃኻ፡ ሎሚ ንጊልያኻ ኣቕንዓሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ እውን ይራሕርሓለይ።”+ ኣነ ኸኣ ኣሰላፍ መስተ ንጉስ ነበርኩ።+ 8 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ብሓደ ሰሚሮም ኣብቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣፍ ደገ ማይ+ ዘሎ ኣደባባይ ተኣከቡ። ንእዝራ+ እቲ ቐዳሒ* ኸኣ፡ እቲ የሆዋ ንእስራኤል ዝኣዘዞ+ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ+ ኼምጽእ ተዛረብዎ። 2 ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ድማ፡ ካህን እዝራ ነቲ ሕጊ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ብምስትውዓል ኪሰምዑ ዚኽእሉን ኣምጽኦ።+ 3 ካብ ወጋሕታ ኽሳዕ ቀትሪ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣፍ ደገ ማይ ዘሎ ኣደባባይ ኰይኑ፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን ኬስተውዕሉ ንዚኽእሉ ዅሎምን ዓው ኢሉ ኣንበበሎም።+ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ጽን ኢሉ ሰምዐ።+ 4 እዝራ እቲ ቐዳሒ* ኸኣ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተባሂሉ ብዕንጨይቲ ኣብ እተገብረ መድረኽ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጐድኑ፡ ኣብ የማኑ ድማ ማቲትያን ሸማዕን ዓናያን ኡርያን ሒልቅያን ማዓስያን፡ ኣብ ጸጋሙ ኸኣ ጰዳያን ሚሻኤልን ማልክያን+ ሓሹምን ሓሽ-ባዳናን ዘካርያስን መሹላምን ደው ኢሎም ነበሩ። 5 እዝራ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ህዝቢ ዀይኑ ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ ነታ መጽሓፍ ቀልዓ። ምስ ቀልዓ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው በለ። 6 እዝራ ድማ ንየሆዋ እቲ ዓብዪን ናይ ሓቅን ኣምላኽ ወደሶ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ “ኣሜን!* ኣሜን!” ኢሎም መለሱ።+ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፊኦም ድማ፡ ንየሆዋ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። 7 እያሱን ባኒን ሸረብያን+ ያሚንን ዓቁብን ሻብታይን ሆድያን ማዓስያን ቀሊጣን ዓዛርያን ዮዛባድን+ ሓናንን ጰላያን እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ነቲ ህዝቢ፡ እቲ ሕጊ ይገልጹሉ ነበሩ።+ 8 ካብታ መጽሓፍ፡ ካብ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ዓው ኢሎም የንብቡን ብንጹር ይገልጹን ትርጉሙ የብርሁን ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ ዚንበብ ዝነበረ ኣረድእዎም።+ 9 ኵሎም እቶም ህዝቢ ንቓል እቲ ሕጊ ኺሰምዑ ኸለዉ ይበኽዩ ነበሩ እሞ፡ እቲ ሽዑ ሹም* ዝነበረ ነህምያን ካህን እዝራ+ እቲ ቐዳሕን* እቶም ነቲ ህዝቢ ዚምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ።+ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን” በልዎም። 10 ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ፡ ዝበለጸ* ብልዑ፡ ዝጠዓመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም እተዳለወ ዘይብሎም ከኣ ግደታት ምግቢ ስደዱሎም።+ እዚኣስ ንጐይታና እተቐደሰት መዓልቲ እያ፣ ሓጐስ የሆዋ ዕርድኹም* እዩ እሞ፡ ኣይትጕሃዩ” በሎም። 11 እቶም ሌዋውያን ከኣ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ቕድስቲ እያ እሞ፡ ስቕ በሉ፣ ኣይትጕሃዩ” ኢሎም የህድእዎም ነበሩ። 12 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፡ ነቲ ዘፍለጥዎም ቃላት ተረዲኦምዎ ነበሩ እሞ፡+ ኪበልዑን ኪሰትዩን ግደታት ምግቢ ኺሰድዱን ዓብዪ ሓጐስ ኪሕጐሱን ከዱ።+ 13 ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ርእስታት ማይ ቤታት ኵሎም እቶም ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ካብ ቃላት እቲ ሕጊ ተወሳኺ ልቦና ኺረኽቡ ኢሎም ናብ እዝራ እቲ ቐዳሒ* ተኣከቡ። 14 ኣብቲ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ዚብዓል በዓል፡ እስራኤላውያን ኣብ ዳሳት ኪቕመጡ ኸም ዘለዎም የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ድማ ኣብቲ ሕጊ ተጻሒፉ ረኸቡ፣+ 15 ኣብ ኵለን ከተማታቶምን ኣብ ብዘላ የሩሳሌምን ከኣ፡ “ናብ ኣኽራን ኬድኩም፡ ከምቲ እተጻሕፈ፡ ዳሳት ንምስራሕ ዚኸውን ልሙዕ ጨናፍር ካብ ኣእዋም ኣውልዕን ኣእዋም ጽሕድን ኣእዋም ኣደስን ኣእዋም ስየን ልሙዕ ጨናፍር ካልእ ኣእዋምን ኣምጽኡ” ኢሎም ኬስምዑን ኪእውጁን+ ከም ዘለዎም እውን ረኸቡ። 16 እቶም ህዝቢ ኸኣ ወጺኦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ ኣጸዳቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን+ ኣብ ኣደባባይ ኣፍ ደገ ማይን+ ኣብ ኣደባባይ ኣፍ ደገ ኤፍሬምን+ ንርእሶም ዚኸውን ዳሳት ዚሰርሑሉ ኣምጽኡ። 17 በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ጉባኤ፡ ዳሳት ሰሪሖም፡ ኣብ ዳሳት ተቐመጡ። እስራኤላውያንሲ ኻብ ዘመን እያሱ+ ወዲ ነዌ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምኡ ኣይገበሩን ነበሩ፣ ስለዚ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።+ 18 ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኻብታ መጽሓፍ ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይንበብ ነበረ።+ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ በዓል ኣብዓሉ፣ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፡ ከምቲ ስርዓት፡ ፍሉይ ኣኼባ ዀነ።+ 11 እቶም መሳፍንቲ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ፣+ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ከካብ ዓሰርተስ ሓደ ኣብ የሩሳሌም እታ ቕድስቲ ኸተማ ኪቕመጥ፡ እቶም ዝተረፉ ትሽዓተ ኸኣ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኪቕመጡ ዕጫ ኣውደቑ።+ 2 እቲ ህዝቢ ድማ ነቶም ብፍታዎም ኣብ የሩሳሌም ኪቕመጡ ዝወሰኑ መረቖም። 3 እቶም ኣብ የሩሳሌም እተቐመጡ ርእስታት እታ ኣውራጃ እዚኣቶም እዮም። (እቶም ዝተረፉ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን*+ ደቂ ገላዉ ሰሎሞንን፡+ ኣብ ካልኦት ከተማታት ይሁዳ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከከተማኡ ተቐመጠ።+ 4 ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን እውን ኣብ የሩሳሌም ተቐመጡ።) ካብ ደቂ ይሁዳ እዚኣቶም ነበሩ፦ ዓታያ ወዲ ዑዝያ ወዲ ዘካርያስ ወዲ ኣማርያ ወዲ ሸፋጥያ ወዲ መሃላልኤል ካብ ደቂ ፋሬስ፡+ 5 ማዓስያ ወዲ ባሩኽ ወዲ ኮልሖዜ ወዲ ሓዛያ ወዲ ዓዳያ ወዲ ዮያሪብ ወዲ ዘካርያስ ወዲ እቲ ሸላናዊ። 6 ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ደቂ ፋሬስ ዝነበሩ፡ 468 ክኢላታት ሰባት ነበሩ። 7 ደቂ ብንያም ድማ እዚኣቶም ነበሩ፦ ሳሉ+ ወዲ መሹላም ወዲ ዮዔድ ወዲ ጰዳያ ወዲ ቆላያ ወዲ ማዓስያ ወዲ ኢቲኤል ወዲ የሻዕያ፡ 8 ድሕሪኡ ኸኣ ጋባይን ሳላይን፡ 928፣ 9 ዮኤል ወዲ ዚክሪ ድማ ሓላፊኦም* ነበረ፣ ይሁዳ ወዲ ሃሰኑኣ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣይ ሓላፍነት ነበሮ። 10 ካብ ካህናት፦ የዳዕያ ወዲ ዮያሪብ፡ ያኪን፡+ 11 ሰራያ ወዲ ሒልቅያ ወዲ መሹላም ወዲ ጻዶቅ ወዲ መራዮት ወዲ ኣሒጡብ፡+ መራሒ ቤት* እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ 12 ድማ ዕዮ እታ ቤት ዝዓየዩ ኣሕዋቶም፡ 822፣ ዓዳያ ወዲ የሮሓም ወዲ ጰላልያ ወዲ ኣምጺ ወዲ ዘካርያስ ወዲ ጳሽሑር+ ወዲ ማልክያ፡ 13 ድማ ኣሕዋቱ ርእስታት ማይ ቤታት፡ 242፣ ዓማሽሳይ ወዲ ዓዛርኤል ወዲ ኣሕዛይ ወዲ መሺለሞት ወዲ ኢመር፡ 14 ድማ ሓያላትን ተባዓትን ዝነበሩ ኣሕዋቶም፡ 128፣ እቲ ወዲ ዓበይቲ ዝዀነ ዛብዲኤል ድማ ሓላፊኦም ነበረ። 15 ካብ ሌዋውያን ከኣ፦ ሸማዕያ+ ወዲ ሓሹብ ወዲ ዓዝሪቃም ወዲ ሓሻብያ ወዲ ቡኒ፡ 16 ድማ ሻብታይን+ ዮዛባድን+ እቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ዕዮ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓላፍነት ዝነበሮም ካብ ርእስታት ሌዋውያን፣ 17 ድማ ማታንያ+ ወዲ ሚካ ወዲ ዛብዲ ወዲ ኣሳፍ+ እቲ ኣብ ጸሎት ውዳሰ ዚመርሕ መራሕ መዝሙር፡+ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ ኻልኣይ ዝነበረ ባቅቡቅያ፡ ዓብዳ ወዲ ሻሙዓ ወዲ ጋላል ወዲ የዱቱን።+ 18 ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን 284 ነበሩ። 19 ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ዓቁብ፡ ጣልሞን፡+ ኣፍ ደገታት ዚሕልዉ ኣሕዋቶም እውን፡ 172 ነበሩ። 20 እቶም ዝተረፉ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ድማ፡ ኣብ ኵለን ካልኦት ከተማታት ይሁዳ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ነበረ። 21 እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ*+ ከኣ ኣብ ዖፌል+ ይቕመጡ ነበሩ፣ ጺሓን ጊሽጳን ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ* ሓላፍነት ነበሮም። 22 ሓላፊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሌዋውያን ከኣ ዑዚ ወዲ ባኒ ወዲ ሓሻብያ ወዲ ማታንያ+ ወዲ ሚካ ኻብ ደቂ ኣሳፍ እቶም ዘመርቲ ነበረ፣ ንሱ ኣብ ልዕሊ ዕዮ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓላፍነት ነበሮ። 23 ከመይሲ፡ ምእንታኦም ትእዛዝ ንጉስ ነበረ፣+ ነቶም ዘመርቲ እውን ነንመዓልቲ ምዱብ መሰናድዎ ተሰርዓሎም። 24 ጰታሕያ ወዲ መሸዛብኤል ወዲ ዜራሕ ወዲ ይሁዳ ድማ ኣብ ኵሉ ነገር ህዝቢ ኣማኻሪ ንጉስ* ነበረ። 25 ብዛዕባ እቲ ምስ ግራውቱ ዝነበረ ሰፈራት ከኣ፡ ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳ ኣብ ቂርያት-ኣርባዕን+ ዓድታታን፡ ኣብ ዲቦንን ዓድታታን፡ ኣብ የቃብጽኤልን+ ሰፈራታን ተቐመጡ፣ 26 ኣብ እያሱ፡ ኣብ ሞላዳ፡+ ኣብ ቤት-ጰለጥ፡+ 27 ኣብ ሓጻር-ሹዓል፡+ ኣብ ብኤር-ሸባዕን ዓድታታን፡ 28 ኣብ ጺቅላግ፡+ ኣብ መኮናን ዓድታታን፡ 29 ኣብ ዔን-ሪሞንን+ ኣብ ጾርዓን+ ኣብ ያርሙትን 30 ኣብ ዛኖኣን+ ኣብ ዓዱላምን ሰፈራተንን፡ ኣብ ላኪሽን+ ግራውታን፡ ኣብ ዓዜቃን+ ዓድታታን ድማ ተቐመጡ። ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ስንጭሮ ሂኖም+ ሰፈሩ። 31 ደቂ ብንያም ከኣ ኣብ ጌባዕ፡+ ሚኽማሽ፡ ዓይ፡ ቤት-ኤልን+ ዓድታታን፡ 32 ዓናቶት፡+ ኖብ፡+ ዓናንያ፡ 33 ሓጾር፡ ራማ፡+ ጊታዪም፡ 34 ሓዲድ፡ ጸቦዒም፡ ነባላጥ፡ 35 ሎድን ኦኖን፡+ ስንጭሮ ኢደ ጥበበኛታት ነበሩ። 36 ገለ ኻብ ይሁዳ ዝዀኑ ኽፍልታት ሌዋውያን ድማ፡ ናብ ብንያም ተመደቡ። 2 ኣብ ወርሒ ኒሳን፡* ኣብ መበል 20 ዓመት+ ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡+ ኣብ ቅድሚኡ ወይኒ ቐረበ፣ ኣነ ድማ ከምቲ ልሙድ ነቲ ወይኒ ወሲደ፡ ንንጉስ ሃብክዎ።+ ግናኸ፡ ቅድሚ ሽዑ ኣብ ቅድሚኡ ጕሁይ ኰይነ ተራእየ ኣይፈልጥን ነበርኩ። 2 ስለዚ፡ እቲ ንጉስ፡ “ዘይሓመምካ ኽነስኻስ፡ ስለምንታይ እዩ ኣብ ገጽካ ጓሂ ዘሎ፧ እዚ ጓሂ ልቢ ደኣ እምበር፡ ካልእ ነገር ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” በለኒ። ሽዑ፡ ኣዝየ ፈራህኩ። 3 ንንጉስ ከኣ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር! እታ ኣቦታተይ እተቐብሩላ ኸተማ ዓንያ ኸላ፡ ኣፍ ደገታታ እውን ብሓዊ ተበሊዑ ኸሎስ፡ ከመይ ኢሉ ኣብ ገጸይ ጓሂ ዘይህሉ፧” በልክዎ።+ 4 ንጉስ ድማ፡ “እንታይ እሞ ትደሊ፧” በለኒ። ሽዑ፡ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማያት ጸለኹ።+ 5 ንንጉስ ከኣ፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ጊልያኻ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺቡስ፡ ነታ ኣቦታተይ እተቐብሩላ ኸተማ ዳግም ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ኽትሰድደኒ” በልክዎ።+ 6 ንጉስ ድማ ሰበይቲ ንጉስ* ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ ኸላ፡ “ጕዕዞኻ ኽንደይ ኪወስድ እዩ፧ መዓስከ ኽትምለስ ኢኻ፧” በለኒ። ስለዚ፡ ንንጉስ ኪሰድደኒ ባህ ኣበሎ፣+ ኣነ ኸኣ ምዱብ ግዜ ነገርክዎ።+ 7 ንንጉስ ድማ፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ እቶም ሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግ፡* ናብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝበጽሕ ብሰላም ምእንቲ ኼሕልፉኒ፡ ንዓታቶም ደብዳበታት ይወሃበኒ፣+ 8 ኣሳፍ እቲ ሓላው መናፈሻ ንጉስ* ንኣፍ ደገታት ዕርዲ+ እታ ቤትን* ንመካበብያ እታ ኸተማን+ ነታ ኣነ ዝኸዳ ቤትን ዜድሊ ኣዕጫው ዚኸውን ኣእዋም ክህበኒ፡ ንዕኡ እውን ደብዳበ ይወሃበኒ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነበረት ከኣ፡+ ንጉስ ሃበኒ።+ 9 ናብ ሹማምንቲ ስግር እቲ ፈለግ ድማ መጻእኩ፣ እተን ደብዳበታት ንጉስ ከኣ ሃብክዎም። ንጉስ ድማ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ። 10 ሳንባላጥ+ እቲ ሖሮናውን ጦብያ+ እቲ ዓሞናዊ+ ብዓል ስልጣንን* ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንህዝቢ እስራኤል ጽቡቕ ዚገብረሎም ሰብ ብምምጻኡ ኣዝዮም ጐሃዩ። 11 ናብ የሩሳሌም ከኣ መጻእኩ፣ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕኩ። 12 ኣነ ምስቶም ምሳይ ዝነበሩ ሒደት ሰባት፡ ብለይቲ ተንሳእኩ፣ እቲ ንየሩሳሌም ክገብረላ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዘንበሮ ኸኣ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን፣ ብዘይካ እታ ተወጢሐያ ዝነበርኩ እንስሳ ድማ ካልእ እንስሳ ምሳይ ኣይነበረን። 13 ብለይቲ ኸኣ በቲ ኣፍ ደገ ስንጭሮ ወጻእኩ፣+ ብመንጽር ዓይኒ ማይ ገበል ኣቢለ ናብ ኣፍ ደገ ዅምራ ሓምዅሽቲ ሓለፍኩ፣+ ነቲ ዝፈረሰ መካበብያ የሩሳሌምን ነቲ ብሓዊ እተበልዐ ኣፍ ደገታታን እውን መርመርክዎ።+ 14 ናብ ኣፍ ደገ ዓይኒ ማይን+ ናብ ሓጽቢ ንጉስን ድማ ሓለፍኩ፣ እታ ተወጢሐያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ኸኣ ኣይነበረን። 15 ኣነ ግና ብለይቲ በቲ ስንጭሮ* ደየብኩ፣+ ነቲ መካበብያ ድማ መርመርክዎ። ድሕርዚ፡ ተመሊሰ ብኣፍ ደገ ስንጭሮ ኣቶኹ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ተመለስኩ። 16 ንኣይሁድን ንኻህናትን ንልዑላንን ንመኳንንትን ንዝተረፉ ዓየይትን ዋላ ሓንቲ ኣይነገርኩን ነበርኩ እሞ፡ እቶም መኳንንቲ+ ናበይ ከም ዝኸድኩን እንታይ እገብር ከም ዝነበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። 17 ድሕርዚ፡ “ኣብ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘለና፡ የሩሳሌም ከመይ ዓንያ ኸም ዘላን ኣፍ ደገታታ ብሓዊ ነዲዱ ኸም ዘሎን ክትርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ውርደት እዚ ምእንቲ ኸይቅጽልሲ፡ ንዑ ንመካበብያ የሩሳሌም ዳግም ንህነጾ” በልክዎም። 18 እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ከም ዝዀነትን+ እቲ ንጉስ እተዛረበኒ ዘረባን ከኣ ነገርክዎም።+ ሽዑ፡ “ንተንስእ እሞ ንህነጽ” በሉ። ስለዚ፡ ንጽቡቕ ስራሕ በርትዑ።*+ 19 ሳንባላጥ እቲ ሖሮናውን ጦብያ+ እቲ ዓሞናዊ+ ብዓል ስልጣንን* ጌሸም እቲ ዓረብን+ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣላገጹልናን+ ነዓቑናን፣ “እንታይ ኢኹም እትገብሩ ዘለኹም፧ ካብ ንጉስ ዲኹም እትዓልዉ ዘለኹም፧” ከኣ በሉና።+ 20 ኣነ ግና፡ “ኣምላኽ ሰማያት ኬቕንዓልና እዩ፣+ ንሕና ገላዉኡ ድማ ተንሲእና ኽንሃንጽ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ የሩሳሌም ግደን ግቡእን መዘከርታን* የብልኩምን” ኢለ መለስኩሎም።+ 4 ሳንባላጥ+ ከኣ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ዳግም ንሃንጾ ኸም ዘለና ምስ ሰምዐ፡ ተቘጥዐን ኣዝዩ ዀረየን፣ ነቶም ኣይሁድ ድማ የላግጸሎም ነበረ። 2 ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከኣ፡ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧ ነዚዶ ብርእሶም ኪገብርዎ እዮም፧ መስዋእቲዶ ኺስውኡ እዮም፧ ብሓደ መዓልቲዶ ኺውድእዎ እዮም፧ ነቲ ዝነደደ ኣእማን ካብቲ ዅምራታት ፍርስራስዶ ኼሐድስዎ እዮም፧” በለ።+ 3 ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ ዝነበረ ጦብያ+ እቲ ዓሞናዊ+ ድማ፡ “ኣብቲ ዚሃንጽዎ ዘለዉ ወኻርያ እኳ እንተ ትድይብ፡ ነቲ መንደቖም መፍረሰቶ” በለ። 4 ኦ ኣምላኽና፡ ተናዒቕና ኢና እሞ፡+ ስማዕ፣ ጸርፎም ከኣ ኣብ ርእሶም ምለሰሎም፣+ ንዘመተ ኪዀኑ ድማ ናብ ምድሪ ምርኮ ኣሕሊፍካ ሃቦም። 5 ነቶም ሃነጽቲ ጸሪፎምዎም እዮም እሞ፡ በደሎም ኣይትሸፍን፡ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ።+ 6 ነቲ መካበብያ ድማ ንሃንጾ ነበርና፣ ብዘሎ እቲ መካበብያ ኸኣ ተጋጠመ፡ ክሳብ ፍርቂ ቝመቱ እውን ዳግም ተሃንጸ። ልቢ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብቲ ዕዮ ነበረ። 7 ሳንባላጥን ጦብያን+ ኣዕራብን+ ዓሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን+ ጽገና መካበብያ የሩሳሌም ይሰልጥ ከም ዘሎ፡ እቲ ፍራሳታ ኸኣ ኪዕበስ ከም ዝጀመረ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቘጥዑ። 8 ንሳቶም መጺኦም ምስ የሩሳሌም ኪዋግኡን ኪርብሹን ብሓደ ውዲት ኣለሙ። 9 ንሕና ድማ ናብ ኣምላኽና ጸለና፡ ካባታቶም ኪሕልዉና እውን መዓልትን ለይትን ሓለውቲ ኣቘምና። 10 ሰብ ይሁዳ ኸኣ፡ “ሓይሊ እቶም ሸቃሎ* ደኺሙ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ፍርስራስ ድማ ኣሎ። ነቲ መካበብያ ኽንሃንጾ ኣይንኽእልን ኢና” ይብሉ ነበሩ። 11 እቶም ጸላእትና ኸኣ፡ “ከይፈለጡን ከይረኣዩናን ኣብ መንጎኦም ኣቲና ኽንቀትሎምን ነቲ ዕዮ ደው ከነብሎን ኢና” ይብሉ ነበሩ። 12 እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ መምስ መጹ፡ “ካብ ኵሉ ኣንፈት ኣብ ልዕሌና ኺመጹ እዮም” ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ይነግሩና ነበሩ። 13 ስለዚ፡ ብድሕሪ እቲ መካበብያ ኣብቲ ዝተሓተ ቦታታት፡ ኣብ ቃልዕ ቦታታት፡ ሰባት ኣቘምኩ፣ በብዓሌቶም ከኣ ኣስያፎምን ሕላሳቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው በሉ። 14 ፍርሆም ምስ ረኣኹ፡ ብኡብኡ ተንሲአ ነቶም ልዑላንን+ ነቶም መኳንንትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ “ኣይትፍርህዎም።+ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን የሆዋ ዘክርዎ፣+ ምእንቲ ኣሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ድማ ተዋግኡ” በልክዎም። 15 እቶም ጸላእትና፡ እቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኸም ዝፈለጥና፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ንውጥኖም ከም ዘፍሸሎ ምስ ሰምዑ፡ ኵላትና ናብ ዕዮ እቲ መካበብያ ተመለስና። 16 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ፍርቂ ኻብቶም ሰበይ ዕዮ ይዓይዩ፡+ ፍርቆም ድማ ሕላሳትን ዋላቱን ቀስትታትን ይሕዙ፡ ድርዕታት እውን ይለብሱ ነበሩ። እቶም መሳፍንቲ+ ኸኣ ብድሕሪ ዅሎም ቤት ይሁዳ ደው በሉ፣ 17 እቲኣቶም ድማ ነቲ መካበብያ ይሃንጹ ነበሩ። እቶም ጾር ዚጾሩ ዝነበሩ ኸኣ ብሓደ ኢዶም ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ብሓደ ኢዶም ኣጽዋሮም* ሒዞም ነበሩ። 18 እቶም ሃነጽቲ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ይሃንጽ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ+ ከኣ ኣብ ጥቓይ ነበረ። 19 ሽዑ፡ ነቶም ልዑላንን ነቶም መኳንንትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ “እቲ ዕዮ ዓብይን ሰፊሕን እዩ፣ ንሕና ድማ ካብ ንሓድሕድና ርሒቕና ኣብቲ መካበብያ ፋሕ ኢልና ኣለና። 20 ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ናብዛ ዘለናያ ተኣከቡ። ኣምላኽና ኺዋግኣልና እዩ”+ በልክዎም። 21 ስለዚ፡ ንሕና ኽንዓዪ ኸለና፡ ፍርቆም ካብ ወጋሕታ ኽሳዕ ከዋኽብቲ ዚወጹ ሕላሳት ይሕዙ ነበሩ። 22 በታ ግዜ እቲኣ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ መምስ ጊልያኡ ለይቲ ኣብ ውሽጢ የሩሳሌም ይሕደር፣ ንሳቶም ድማ ለይቲ ኺሕልዉና፡ መዓልቲ እውን ኪዓይዩ እዮም” በልክዎም። 23 ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን+ እቶም ዝሰዓቡኒ ሓለውትን፡ ክዳውንትና ኣይነውጽእን ነበርና፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣጽዋሩ ኣብ የማናይ ኢዱ ሒዙ ነበረ። 6 ሳንባላጥን ጦብያን+ ጌሸም እቲ ዓረብን+ እቶም ዝተረፉ ጸላእትናን፡ ነቲ መካበብያ ዳግም ከም ዝሃነጽክዎ፡+ ካብቲ ፍራሳት ከኣ ገለ ኸም ዘይተረፈ ምስ ሰምዑ፡ (ዋላ እኳ ኽሳዕ እታ ግዜ እቲኣ፡ ኣብቲ ኣፍ ደገታት መዓጹ እንተ ዘየቘምኩ፡)+ 2 ሳንባላጥን ጌሸምን ብኡብኡ፡ “ንዓ፡ ኣብ ኣቝሻት ጐልጐል ስንጭሮ ኦኖ+ ኽንራኸብ ንቋጸር” ኢሎም ለኣኹለይ። ግናኸ፡ ኪጐድኡኒ ሓሲቦም ነበሩ። 3 ኣነ ኸኣ፡ “ዓብዪ ዕዮ እዓዪ ኣሎኹ እሞ፡ ክወርድ ኣይክእልን እየ። ሓዲገዮ ናባኻትኩም ክወርድ ከለኹ፡ ስለምንታይ እቲ ዕዮ ደው ዚብል፧” ኢለ ልኡኻት ለኣኽኩሎም። 4 ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣርባዕተ ሳዕ ለኣኹለይ፣ ኣነ ድማ ከምኡ ገይረ መለስኩሎም። 5 ሽዑ፡ ሳንባላጥ ንጊልያኡ፡ ከምዚ መልእኽቲ እዚ ዝሓዘት ክፍትቲ ደብዳበ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ ሓምሻይ ሳዕ ለኣኸለይ። 6 ኣብኣ ድማ ከምዚ ዚብል ተጻሒፉ ነበረ፦ “ንስኻን ኣይሁድን ክትዓልዉ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፡+ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፣ ጌሸም+ እውን ይብሎ ኣሎ። ስለዚ ኢኻ ነቲ መካበብያ እትሃንጾ ዘለኻ፣ ንጉሶም ክትከውን ምዃንካ እውን ይውረ ኣሎ። 7 ኣብ ብዘላ የሩሳሌም ከኣ፡ ‘ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ!’ ኢሎም ኪእውጁ ነብያት ሸይምካ ኣለኻ። ሕጂ ድማ እዚ ነገር እዚ ንንጉስ ኪንገሮ እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ንዓ፡ ብሓንሳእ ንዘቲ።” 8 ኣነ ግና፡ “ከምቲ እትብሎ ዘለኻ ኣይኰነን፣ ብልብኻ ዝመሃዝካዮ እዩ” ኢለ ለኣኽኩሉ። 9 ከመይሲ፡ “ኣእዳዎም ኣብቲ ዕዮ ኺደኽማ እሞ፡ ኪሓድግዎ እዮም”+ ኢሎም ኵላቶም ኬፍርሁና ይጽዕሩ ነበሩ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ኣእዳወይ ኣበርትዕ።+ 10 ኣነ ድማ ናብ ቤት ሸማዕያ ወዲ ደላያ ወዲ ሜሄጣብኤል ከድኩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብኣ ተዓጽዩ ነበረ እሞ፡ “ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም፡ እወ፡ ብለይቲ ኪቐትሉኻ ኺመጹ እዮም እሞ፡ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ክንራኸብ ቈጸራ ንግበር፣ መዓጹ ቤተ መቕደስ ድማ ንዕጸዎ” በለኒ። 11 ኣነ ግና፡ “ከማይ ዝበለ ሰብኣይዶ ይሃድም፧ ከማይ ዝበለኸ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩስ ብህይወት ኪነብርዶ ይኽእል፧+ ኣይኣቱን እየ!” በልኩ። 12 ሽዑ፡ ጦብያን ሳንባላጥን+ እዚ ትንቢት እዚ ኣንጻረይ ኪዛረብ ከም ዝቘጸርዎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለኣኾ ኣስተውዓልኩ። 13 ምእንቲ ኺጸርፉንስ፡ ስመይ ዜኽፍኡሉ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ኣፍሪሁ ኼሕጥኣኒ ኢሎም እዮም ቈጺሮምዎ። 14 ኦ ኣምላኸይ፡ ንጦብያን+ ንሳንባላጥን ነዚ ግብሮም እዝን፡ ከምኡ ድማ ንነብዪት ኖዓድያን ነቶም ዝተረፉ ኼፈራርሁኒ ዚጽዕሩ ዝነበሩ ነብያትን ዘክሮም። 15 እቲ መካበብያ ኸኣ ኣብ መበል 25 መዓልቲ ናይ ኤሉል፡* ብ52 መዓልቲ ተፈጸመ። 16 ኵሎም ጸላእትና ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኣህዛብ ድማ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ሓፈሩ፣*+ እዚ ዕዮ እዚ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም እተገብረ ኸኣ ፈለጡ። 17 በተን መዓልትታት እቲአን፡ እቶም ልዑላን+ ይሁዳ ናብ ጦብያ ብዙሕ ደብዳበታት ይሰድዱ ነበሩ፣ ካብ ጦብያ እውን ምላሽ ይመጾም ነበረ። 18 ንሱ ሰብኣይ ጓል ሸካንያ ወዲ ኣራሕ+ ነበረ፡ ወዱ ዮሓናን ከኣ ጓል መሹላም+ ወዲ በረክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ብዙሓት ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ንዕኡ እሙናት ከም ዚዀኑ ምሒሎም ነበሩ። 19 ብዛዕባኡ ኸኣ ወትሩ ጽቡቕ ነገር ይነግሩኒ፡ ዘረባይ ድማ ንዕኡ ይነግርዎ ነበሩ። ጦብያ ኸኣ ኬፈራርሃኒ ኢሉ፡ ደብዳበታት ይሰድድ ነበረ።+ 10 እቶም ብማሕተሞም ብምሕታም ዘረጋገጽዎ+ እዚኣቶም እዮም፦ ነህምያ እቲ ሹም* ወዲ ሓካልያ፡ጼዴቅያስ፡ 2 ሰራያ፡ ዓዛርያ፡ ኤርምያስ፡ 3 ጳሽሑር፡ ኣማርያ፡ ማልክያ፡ 4 ሓጡሽ፡ ሸባንያ፡ ማሉክ፡ 5 ሓሪም፡+ መሬሞት፡ ኦብድያ፡ 6 ዳንኤል፡+ ጊነቶን፡ ባሩኽ፡ 7 መሹላም፡ ኣብያ፡ ሚያሚን፡ 8 ማዓዝያ፡ ቢልጋይ፡ ሸማዕያ፣ እዚኣቶም ካህናት እዮም። 9 ሌዋውያን ከኣ፦ እያሱ ወዲ ኣዛንያ፡ ቢኑኢ ኻብ ደቂ ሔናዳድ፡ ቃድሚኤል፡+ 10 ኣሕዋቶም ድማ ሸባንያ፡ ሆድያ፡ ቀሊጣ፡ ጰላያ፡ ሓናን፡ 11 ሚካ፡ ሬሖብ፡ ሓሻብያ፡ 12 ዛኩር፡ ሸረብያ፡+ ሸባንያ፡ 13 ሆድያ፡ ባኒ፡ በኒኑ። 14 ርእስታት እቲ ህዝቢ፦ ጳርዖሽ፡ ጳሓት-ሞኣብ፡+ ዔላም፡ ዛቱ፡ ባኒ፡ 15 ቡኒ፡ ዓዝጋድ፡ ቤባይ፡ 16 ኣዶንያ፡ ቢግዋይ፡ ዓዲን፡ 17 ኣጤር፡ ህዝቅያስ፡ ዓዙር፡ 18 ሆድያ፡ ሓሹም፡ ቤጻይ፡ 19 ሓሪፍ፡ ዓናቶት፡ ኔባይ፡ 20 ማግጲዓሽ፡ መሹላም፡ ሔዚር፡ 21 መሸዛብኤል፡ ጻዶቅ፡ ያዱዓ፡ 22 ጰላጥያ፡ ሓናን፡ ዓናያ፡ 23 ሆሼዓ፡ ሓናንያ፡ ሓሹብ፡ 24 ሃሎሔሽ፡ ጲልሓ፡ ሾቤቅ፡ 25 ረሑም፡ ሓሻብና፡ ማዓስያ፡ 26 ኣሒያ፡ ሓናን፡ ዓናን፡ 27 ማሉክ፡ ሓሪም፡ ባዓና። 28 እቶም ዝተረፉ ህዝቢ፡—እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን* ሕጊ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምስዓብ ርእሱ ኻብ ህዝብታት እተን ሃገራት ዝፈለየ ዘበለ ዅሉን+ ምስ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ምስ ኵሎም እቶም ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎም* ኰይኖም፡— 29 ምስ ኣሕዋቶምን ምርኡያቶምን ሓቢሮም፡ በቲ ብሙሴ እቲ ጊልያ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተዋህበ ሕጊ ኺመላለሱን ኵሉ ትእዛዛት ጐይታና የሆዋን ፍርድታቱን ስርዓታቱን ተጠንቂቖም ኪሕልዉን ብመርገምን ብማሕላን ገዛእ ርእሶም ኣሰሩ። 30 ኣዋልድና ንህዝብታት እዛ ምድሪ ኣይክንህብን፡ ንኣወዳትና ኸኣ ኣዋልዶም ኣይክንወስድን ኢና።+ 31 ህዝብታት እታ ምድሪ ብመዓልቲ ሰንበት ሸቐጣቶምን ኵሉ ዓይነት እኽልን ኪሸጡ እንተ መጺኦም፡ ብሰንበት+ ወይ ብቕድስቲ መዓልቲ+ ኻባታቶም ኣይክንዕድግን ኢና። እቶት ሻውዐይቲ ዓመትን+ ኵሉ ዘይተኸፍለ ዕዳን እውን ክንሓድግ ኢና።+ 32 ነፍሲ ወከፍና ዓመት ዓመት ሲሶ ሲቃል* ክንህብ ኣብ ርእስና ግዴታ ጸዓንና፣ እዚ ድማ ንኣገልግሎት ቤት* ኣምላኽናን+ 33 ንእተደራረበ እንጌራን*+ ነቲ ናይ ወትሩ መስዋእቲ እኽልን+ ነቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ ሰናብትን+ ንሰርቅታት ወርሕን+ ንምዱብ በዓላትን+ ንቕዱስ ነገራትን ንምትዕራቕ እስራኤል ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን+ ንዅሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዚኸውን እዩ። 34 ብዛዕባ እቲ ኸምቲ ኣብቲ ሕጊ እተጻሕፈ በብማይ ቤትና ዓመት ዓመት ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽና ንምንዳድ ተባሂሉ ኻህናትን ሌዋውያንን እቶም ህዝብን ናብ ቤት ኣምላኽና ዜምጽእዎ ቐረብ ዕንጨይቲ፡ ዕጫ ኣውደቕና።+ 35 በዅሪ ፍረ ምድርናን በዅሪ ፍረ ዅሉ ፈራዪ ኦምን ከኣ፡ ዓመት ዓመት ናብ ቤት የሆዋ ኸነምጽእ ኢና።+ 36 ከምቲ ኣብቲ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ድማ፡ በዅሪ ኣወዳትናን ማልናን+ በዅሪ ኸብትናን መጓሰናን እውን ከነምጽእ ኢና። ናብ ቤት ኣምላኽና፡ ናብቶም ኣብ ቤት ኣምላኽና ዜገልግሉ ኻህናት ከነምጽእ ኢና።+ 37 በዅሪ ሓርጭናን+ መባእናን ፍረ ዅሉ ኦምናን+ ጕዕሽ ወይንናን ዘይትናን+ እውን ናብቶም ካህናት ናብቲ መኽዘናት* ቤት ኣምላኽና ኸነምጽእ ኢና፣+ ሌዋውያን ኣብ ኵለን ናይ ሕርሻ ኸተማታትና ዕሽር ዚእክቡ እዮም እሞ፡ ንሌዋውያን ከኣ ዕሽር ምድርና ኸነምጽእ ኢና።+ 38 እቶም ሌዋውያን ዕሽር ኪእክቡ ኸለዉ ድማ፡ ሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን ምስ ሌዋውያን ይኹን፣ እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ንቤት ኣምላኽና፡+ ናብ ክፍልታት* እቲ ማዕከናት የቕርቡ። 39 ከመይሲ፡ እስራኤላውያንን ደቂ ሌዋውያንን ነቲ መባእ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን+ ናብ መኽዘናት* እዮም ኬምጽእዎ ዘለዎም፣+ ኣብኡ ድማ እዩ እቲ ኣቕሑ መቕደስ ዘሎ፣ እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን እውን ኣብኡ እዮም ዘለዉ። ቤት ኣምላኽና ዕሽሽ ኣይንብልን ኢና።+ 9 ኣብ መበል 24 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ ድማ፡ እስራኤላውያን ተኣከቡ፣ ማቕ ተኸዲኖምን ሓመድ ኣብ ርእሶም ገይሮምን ጾሙ።+ 2 እቶም ዘርኢ እስራኤል ዘበሉ ኸኣ ካብ ኵሎም ጓኖት ተፈልዩ፣+ ደው ኢሎም ድማ ሓጢኣቶምን ስሕተት ኣቦታቶምን ተናዘዙ።+ 3 ኣብ ቦታኦም ከኣ ደው በሉ፣ ካብ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ኣምላኾም ድማ፡ ርብዒ መዓልቲ* ዓው ኢሎም ኣንበቡ፣+ ንተወሳኺ ርብዒ ከኣ፡ ይናዘዙን ንየሆዋ ኣምላኾም ይሰግዱሉን ነበሩ። 4 እያሱን ባኒን ቃድሚኤልን ሸባንያን ቡኒን ሸረብያን+ ባኒን ከናኒን ድማ ኣብ ብርኽ ዝበለ መድረኽ+ ሌዋውያን ደው በሉ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ ናብ የሆዋ ኣምላኾም ጨርሑ። 5 እቶም ሌዋውያን እያሱን ቃድሚኤልን ባኒን ሓሻብነያን ሸረብያን ሆድያን ሸባንያን ጰታሕያን ድማ ከምዚ በሉ፦ “ተንስኡ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ወድስዎ።+ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ውዳሰን ክብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ድማ ይወድስዎ። 6 “ንስኻ በይንኻ የሆዋ ኢኻ፣+ ንስኻ ንሰማያት፡ እወ፡ ንሰማየ ሰማያትን ንዅሉ ሰራዊቱን ንምድርን ኣብ ልዕሊኣ ንዘሎ ዅሉን ንባሕርታትን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ገበርካዮ። ንስኻ ንዅሎም ብህይወት ተንብሮም፣ ሰራዊት ሰማያት ከኣ ይሰግዱልካ ኣለዉ። 7 ንኣብራም+ ዝሓረኻዮን ካብ ኡር+ ናይ ከለዳውያን ዘውጻእካዮን ኣብርሃም ዚብል ስም ዝሃብካዮን፡+ ንስኻ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ። 8 ልቡ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኰይኑ ረኸብካዮ፣+ ስለዚ፡ ምድሪ ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጊርጋሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ ምስኡ ኺዳን ኣቶኻ።+ ንስኻ ጻድቕ ስለ ዝዀንካ ኸኣ፡ ቃልካ ሓሎኻ። 9 “ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ረኣኻ፣+ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ ኣውያቶም ሰማዕካ። 10 ኣንጻር ፈርኦንን ኵሎም ገላዉኡን ኵሉ ህዝቢ ምድሩን ድማ ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ፣+ ከመይሲ፡ ከም ዝደፈርዎም ፈሊጥካ ነበርካ።+ ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ኸኣ ንዓኻ ስም ገበርካ።+ 11 ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሚኦም መቐልካዮ፣ ንሳቶም ከኣ ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ምድሪ ሓለፉ።+ ነቶም ሰጐጕቶም ድማ ከምቲ ናብ እተናወጸ ማያት እተደርበየ እምኒ ናብ መዓሙቝ ደርበኻዮም።+ 12 መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ኪኸዱላ ዚግባእ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃሎም ከኣ፡ ለይቲ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም።+ 13 ኣብ ከረን ሲና+ ወሪድካ ድማ፡ ካብ ሰማይ ተዛረብካዮም፣+ ቅኑዕ ፍርድታትን ሕግታት ሓቅን* ጽቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን እውን ሃብካዮም።+ 14 ቅድስቲ ሰንበትካ ኸኣ ኣፍለጥካዮም፣+ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ድማ ብጊልያኻ ሙሴ ኣቢልካ ኣዘዝካዮም። 15 ምስ ጠመዩ ኸኣ ካብ ሰማይ እንጌራ ሃብካዮም፣+ ምስ ጸምኡ ድማ ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም።+ እታ ንዓታቶም ክትህቦም ዝመሓልካላ* ምድሪ ኸኣ ኪኣትውዋን ኪርስተይዋን ተዛረብካዮም። 16 “ግናኸ፡ ንሳቶም፡ ኣቦታትና፡ ተዳፈሩ፡+ ነቓጻት እውን ኰኑ፣*+ ትእዛዛትካ ድማ ኣይሰምዑን። 17 ምስማዕ ከኣ ኣበዩ፣+ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝገበርካዮ ዜደንቕ ግብርታት ድማ ኣይዘከሩን፣ የግዳስ፡ ነቓጻት ኰኑ፡* ናብ ባርነቶም ናብ ግብጺ ኺምለሱ ኸኣ ርእሲ ሸሙ።+ ንስኻ ግና ንይቕረታ ድልዊ ዝዀንካ ኣምላኽን* ርሕሩሕን* መሓርን ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን* ኢኻ፣+ ኣይሓደግካዮምን ከኣ።+ 18 ንርእሶም ምራኽ ፍሲ እኳ ምስ ገበሩ እሞ፡ ‘እዚ ኻብ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዩ’ ምስ በሉ፡+ ዓብዪ ንዕቀት እውን ምስ ገበሩ፡ 19 ሽዑ እውን ከይተረፈ ምሕረትካ ዓብዪ ብምዃኑ፡ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን።+ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም እቲ ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ኪኸዱላ ዚግባእ መገዲ ኼብርሃሎም እቲ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣየልገሰን።+ 20 ልቦና ምእንቲ ኪዀኖም ከኣ ጽቡቕ መንፈስካ ሃብካዮም፣+ ማናኻ ድማ ካብ ኣፎም ኣይከላእካን፣+ ምስ ጸምኡ ኸኣ ማይ ሃብካዮም።+ 21 ኣብ በረኻ፡ 40 ዓመት መገብካዮም።+ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎምን። ክዳውንቶም ኣይኣረገን፡+ ኣእጋሮም እውን ኣይሓበጠን። 22 “መንግስትታትን ህዝብታትን ድማ ሃብካዮም፣ በብኽፋል ጌርካ ኸኣ ዓደልካዮም።+ ስለዚ፡ ንምድሪ ሲሆን፡+ ማለት ንምድሪ ንጉስ ሔስቦን፡+ ከምኡ ድማ ንምድሪ ዖግ+ ንጉስ ባሳን ተረስተዩወን። 23 ንደቆም ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዛሕካዮም።+ ናብታ ንኣቦታቶም ኪኣትውዋን ኪርስተይዋን ዘተስፎኻዮም ምድሪ ኸኣ ኣእቶኻዮም።+ 24 ደቆም ድማ ኣትዮም ነታ ምድሪ ተረስተይዋ፣+ ነቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኣምበርከኽካዮም፣+ ንነገስታትን ንህዝብታትን እታ ምድሪ ድማ፡ ባህ ዝበሎም ኪገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም። 25 እተዓርዳ ኸተማታትን+ ፍርያም* ምድርን+ ከኣ ሓዙ፣ ኵሉ ዓይነት ጽቡቕ ነገራት ዝመልኣ ኣባይትን እተዃዕተ መዕቘሪታት ማይን ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን+ ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ተረስተዩ። ስለዚ፡ በልዑን ጸገቡን ሰብሑን በቲ ዓብዪ ሕያውነትካ* ተሓጐሱን። 26 “ግናኸ፡ ዘይእዙዛት ኰኑ፡ ካባኻ ዓለዉ፡+ ንሕግኻ ድማ ዝባኖም መለሱሉ።* ነቶም ናባኻ ኺምለሱ ኢሎም ዘጠንቀቕዎም ነብያትካ ቐተልዎም፣ ዓብዪ ንዕቀት እውን ገበሩ።+ 27 ስለዚ፡ ናብ ኢድ ተጻረርቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣጨነቕዎም።+ ብግዜ ጭንቆም ግና ናባኻ የእውዩ ነበሩ፣ ንስኻ ድማ ካብ ሰማያት ትሰምዖም፡ ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ ኸኣ ካብ ኢድ ተጻረርቶም ዜናግፍዎም መድሓንቲ ትህቦም ነበርካ።+ 28 “ዕረፍቲ ምስ ረኸቡ ግና፡ መሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ይገብሩ ነበሩ፣+ ንስኻ ኸኣ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ትህቦም ነበርካ፣ ንሳቶም እውን ይገዝእዎም* ነበሩ።+ ሽዑ፡ ተመሊሶም ናባኻ ይምህለሉ ነበሩ፣+ ንስኻ ድማ ካብ ሰማያት ትሰምዖም፡ ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ ኸኣ ብተደጋጋሚ ተናግፎም ነበርካ።+ 29 ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ እኳ እንተ ኣጠንቀቕካዮም፡ ተዳፈሩ፡ ትእዛዛትካ እውን ኣይሰምዑን፣+ ነቲ ሰብ እንተ ገይርዎ፡ ብህይወት ዚነብረሉ ስርዓታትካ ኸኣ በደሉ።+ ብንቕጽና ዝባኖም መለሱ፡ ክሳዶም ኣትረሩ፡ ምስማዕ እውን ኣበዩ። 30 ንብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፡+ ብነብያትካ ጌርካ ድማ ብመንፈስካ ኣጠንቀቕካዮም፣ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። ሽዑ፡ ኣብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።+ 31 ግናኸ፡ ንስኻ ርሕሩሕን* መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡+ ምሕረትካ ዓብዪ ብምዃኑ፡ ኣየጽነትካዮምን፡+ ኣይሓደግካዮምን እውን። 32 “ሕጂ ድማ፡ ኦ ኣምላኽና፡ ኣታ ዓብይን ሓያልን ዜፍርህን ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን ኣምላኽ፡+ ነቲ ንዓናን ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን+ ንኻህናትናን+ ንነብያትናን+ ንኣቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝረኸበና ሽግር ኣፍኲስካ ኣይትርኣዮ። 33 ንስኻ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ጻድቕ ኢኻ፣ ንሕና ደኣ እከይ ገበርና እምበር፡ ንስኻስ ኣብ ተግባርካ እሙን ኢኻ።+ 34 ነገስታትናን መሳፍንትናን ካህናትናን ኣቦታትናን ድማ ሕግኻ ኣይሓለዉን፡ ንትእዛዛትካን ነቲ ብእኡ ዘጠንቀቕካዮም መዘኻኸሪታትካን* ኣየቕለቡሉን። 35 ኣብ መንግስቶም ኣብ ዝነበሩሉን በቲ ዝሃብካዮም ብዙሕ ጽቡቕ ኣብ ዚሕጐሱሉን ኣብታ ዝሃብካዮም ገፋሕን ፍርያምን* ምድሪ ኣብ ዝነበሩሉን እዋን እኳ፡ ኣየገልገሉኻን፡+ ካብቲ ኽፉእ ልምድታቶም ድማ ኣይተመልሱን። 36 እነና ኸኣ ሎሚ ባሮት ኴንና ኣለና፣+ እወ፡ ኣብታ ፍሪኣን ጽቡቓን ኪበልዑ ንኣቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ባሮት ኴንና ኣለና። 37 እቲ ብዙሕ እቶታ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝገበርካዮም ነገስታት እዩ።+ ኣብ ልዕሊ ሰብነትናን ማልናን ከኣ ከም ዝደለይዎ ይገዝኡ ኣለዉ፣ ንሕና ድማ ኣብ ዓብዪ ጭንቂ ኣለና። 38 “ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብጽሑፍ ቀያዲ ውዕል ንገብር ኣለና፣+ ብማሕተም መሳፍንትናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከኣ ነረጋግጾ ኣለና።”+ 13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ፡ መጽሓፍ ሙሴ ተነብበ፣+ ኣብኡ ኸኣ ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ+ ንዘለኣለም ናብ ጉባኤ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይኣቱ ተጻሒፉ ተረኽበ።+ 2 ከመይሲ፡ ንሳቶም ንእስራኤላውያን እንጌራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፣ የግዳስ፡ ኪረግሞም ኢሎም ንበላዓም ቈጸርዎ።+ ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ቀየሮ።+ 3 እቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ዘርኢ ጓና* ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ።+ 4 ቅድሚ እዚ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መኽዘናት* ቤት* ኣምላኽ ሓላፍነት ዝነበሮ ኻህን፡+ ኤልያሺብ+ እቲ ዘመድ ጦብያ+ ነበረ። 5 ንሱ ኸኣ ንዕኡ ዓብዪ መኽዘን* ኣዳለወሉ፣ ኣብኡ ድማ ኣቐዲሞም እቲ ንሌዋውያንን+ ንዘመርትን ንሓለውቲ ኣፍ ደገን ዚግባእ መስዋእቲ እኽልን ጻዕዳ ዕጣንን ኣቕሑን ዕሽር እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን+ ምስቲ ንኻህናት ዚውሃብ መባእ+ የንብሩ ነበሩ። 6 እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ፡ ኣነ ኣብ የሩሳሌም ኣይነበርኩን። ከመይሲ፡ ኣብ መበል 32 ዓመት+ ኣርታሕሻስታ+ ንጉስ ባቢሎን ናብ ንጉስ ከይደ ነበርኩ፣ ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ክምለስ ካብ ንጉስ ፍቓድ ሓተትኩ። 7 ናብ የሩሳሌም መጺአ ድማ ኤልያሺብ+ ንጦብያ+ ኣብ ኣጸድ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መኽዘን ብምድላው ዝገበሮ ኽፉእ ነገር ረኣኹ። 8 እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣጕሃየኒ፣ ስለዚ፡ ንዅሉ ኣቕሑ ቤት ጦብያ ናብ ወጻኢ እቲ መኽዘን* ደርበኽዎ። 9 ድሕሪኡ፡ ኣዘዝኩ እሞ፡ ንሳቶም ነቲ መኽዘናት* ኣንጽህዎ፣ ኣነ ድማ ነቲ ኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስቲ መስዋእቲ እኽልን ጻዕዳ ዕጣንን+ ናብኡ መለስክዎ።+ 10 ግደታት ሌዋውያን+ ከም ዘይተዋህቦም፡+ ስለዚ ኸኣ እቶም ነቲ ዕዮ ዚዓይዩ ሌዋውያንን ዘመርትን፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ግራቱ ኸም ዝኸደ ፈለጥኩ።+ 11 ሽዑ፡ ነቶም መኳንንቲ ገናሕክዎም፡+ “ስለምንታይ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዕሽሽ ተባሂላ፧” ድማ በልክዎም።+ ኣኪበ ኸኣ ነናብ ዕዮኦም መሊሰ መደብክዎም። 12 ኵሉ ይሁዳ ድማ ዕሽር+ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን ናብቲ ማዕከናት ኣምጽአ።+ 13 ሽዑ፡ ንኻህን ሸለምያን ንጻዶቅ እቲ ቐዳሕን፡* ካብ ሌዋውያን ድማ ንጰዳያ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከናት ሓላፍነት ሃብክዎም፣ ሓናን ወዲ ዛኩር ወዲ ማታንያ ኸኣ ሓጋዚኦም ነበረ፣ ከመይሲ፡ እዚኣቶም እሙናት ጌርካ ይርኣዩ ነበሩ። ንኣሕዋቶም ምዕዳል ድማ ሓላፍነቶም ነበረ። 14 ኦ ኣምላኸይ፡ ብዛዕባ እዚ ዘክረኒ፣+ ነቲ ምእንቲ ቤት ኣምላኸይን ኣገልግሎቱን* ኢለ ብተኣማንነት ዘርኣኽዎ ፍቕሪ ድማ ኣይትደምስሶ።+ 15 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ ይሁዳ ብሰንበት መጽመቝ ወይኒ ኺረግጹ፡+ እኽሊ ኣምጺኦም ኣብ ኣእዱግ ኪጽዕኑ፡ ወይንን ፍረ ወይንን በለስን ኵሉ ዓይነት ጽዕነትን ከኣ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ የሩሳሌም ኬምጽኡ ረኣኹ።+ ስለዚ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ምግቢ ኸይሸጡ ኣጠንቀቕክዎም።* 16 እቶም ኣብታ ኸተማ እተቐመጡ ጢሮሳውያን ድማ፡ ዓሳን ኵሉ ዓይነት ሸቐጥን የምጽኡ፡ ብሰንበት ከኣ ንደቂ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ይሸጡሎም ነበሩ።+ 17 ሽዑ፡ ንልዑላን ይሁዳ ኸምዚ ኢለ ገናሕክዎም፦ “ንመዓልቲ ሰንበት ብምርካስ እትገብርዎ ዘለኹም ክፉእ ነገር እንታይ እዩ፧ 18 ኣቦታትኩምሲ ኸምዚ ደይኰነን ዝገበሩ፧ ኣምላኽና ኸኣ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣምጽአ። ንስኻትኩም ድማ ንሰንበት ብምርካስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዚነድድ ቍጥዓ ትውስኹሉ ኣለኹም።”+ 19 ቅድሚ ሰንበት ኣብ ኣፍ ደገታት የሩሳሌም ጽላሎት ኪወድቕ ምስ ጀመረ ድማ፡ እቲ መዓጹ ኺዕጾ ኣዘዝኩ። ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከይከፍትዎ ኸኣ ተዛረብክዎም። ብመዓልቲ ሰንበት ጽዕነት ከይኣቱ ድማ፡ ገለ ኻብ ገላዎይ ኣብ ኣፍ ደገታት ደው ኣበልኩ። 20 ሽዑ፡ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ዅሉ ዓይነት ሸቐጥን ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሓደሩ። 21 ድሕርዚ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ኣብ መንጽር መካበብያ እትሓድሩ፧ መሊስኩም ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ኣብ ልዕሌኹም ሓይሊ ኽጥቀም እየ” ኢለ ኣጠንቀቕክዎም። ካብታ ግዜ እቲኣ ኣትሒዞም፡ ብሰንበት ኣይመጹን። 22 ነቶም ሌዋውያን ከኣ ወትሩ ኺነጽሁ፡ መዓልቲ ሰንበት ቅድስቲ ጌርካ ንምሕላዋ ድማ መጺኦም ነቲ ኣፍ ደገታት ኪሕልውዎ ተዛረብክዎም።+ ኦ ኣምላኸይ፡ ነዚ እውን ዘክረለይ፡ ከም ብዝሒ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ ኸኣ ደንግጸለይ።+ 23 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ፡ ኣሽዶዳውያንን+ ዓሞናውያንን ሞኣባውያንን+ ኣንስቲ ዘእተዉ* ኣይሁድ ረኣኹ።+ 24 እቶም ደቆም ከኣ ፍርቆም ብቛንቋ ኣሽዶዳውያን፡ ፍርቆም ድማ ብቛንቋ ኻልኦት ህዝብታት ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ብቛንቋ ኣይሁድ ምዝራብ ዚኽእል ኣይነበረን። 25 ስለዚ፡ ገናሕክዎም፡ ረገምክዎም፡ ንገለ ኻብቶም ሰባት ወቓዕክዎም፡+ ጸጕሮም እውን ነጸኹ፣ ከምዚ ኢለ ኸኣ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም፦ “ኣዋልድኩም ንኣወዳቶም ኣይትሃቡ፣ ካብ ኣዋልዶም ከኣ ንኣወዳትኩም ወይ ንርእስኹም ኣይትውሰዱ።+ 26 ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል በዚ ደይኰነን ዝሓጥአ፧ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን።+ ኣብ ኣምላኹ ድማ ፍቑር ነበረ፣+ ስለዚ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ፡ ንዕኡ እውን ጓኖት ኣንስቲ ኣሕጥኣኦ።+ 27 ጓኖት ኣንስቲ ኣእቲኹም ንኣምላኽና ብምጥላም እዚ ዓብዪ ኽፍኣት እዚ ኽትገብሩስ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ደይኰነን፧”+ 28 ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳ+ ወዲ ኤልያሺብ+ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ሰብኣይ ጓል ሳንባላጥ+ እቲ ሖሮናዊ ዀይኑ ነበረ። ስለዚ፡ ካባይ ሰጐጕክዎ። 29 ኦ ኣምላኸይ፡ ክህነትን ኪዳን ክህነትን+ ኪዳን ሌዋውያንን+ ስለ ዘርከሱ፡ ዘክሮም። 30 ካብ ኵሉ ጓና ርኽሰት ኣንጻህክዎም፣ ነቶም ካህናትን ነቶም ሌዋውያንን ከኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ኣገልግሎቱ መደብክዎም፣+ 31 ነቲ ናይ ምዱብ ግዜ ቐረብ ዕንጨይትን+ ነቲ በዅሪ ፍረን እውን መሰናድዎ ገበርኩ። ኦ ኣምላኸይ፡ ብጽቡቕ* ዘክረኒ።+ 5 ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝብን ኣንስቶምን በቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብዙሕ ኣእወዩ።+ 2 ገሊኣቶም፡ “ንሕና ምስ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢና። በሊዕና ብህይወት ክንነብርሲ፡ እኽሊ ኽንረክብ ኣሎና” ይብሉ ነበሩ። 3 ገሊኣቶም ድማ፡ “ብግዜ ጥሜት እኽሊ ኽንረክብሲ፡ ግራውትናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣባይትናን ነትሕዝ ኣለና” ይብሉ ነበሩ። 4 ገሊኣቶም ከኣ፡ “ብግራውትናን ብኣታኽልቲ ወይንናን ንቐረጽ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና።+ 5 ሕጂ ድማ ምስ ኣሕዋትና ኻብ ሓደ ስጋን ደምን ኢና፣* ደቅና እውን ከም ደቆም እዮም። ግናኸ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣለና፣ ገሊአን ካብ ኣዋልድና እውን ድሮ ባሮት ኰይነን ኣለዋ።+ ግራውትናን ኣታኽልቲ ወይንናን ናይ ካልኦት ስለ ዝዀነ ግና፡ ነዚ ደው ንምባል ዓቕሚ የብልናን” ይብሉ ነበሩ። 6 ኣነ ኸኣ ነቲ ኣውያቶምን ነዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝየ ተቘጣዕኩ። 7 ነዚ ነገር እዚ ብልበይ ሓሰብኩሉ እሞ፡ ምስቶም ልዑላንን መኳንንትን ተኸራኸርኩ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንኣሕዋትኩም ወለድ ተኽፍልዎም* ኣለኹም” እውን በልክዎም።+ ብሰንኮም ከኣ ዓብዪ ኣኼባ ኣዳሎኹ። 8 “ብእተኻእለ መጠን፡ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትና መሊስና ዓዲግናዮም ኣለና፣ ሕጂ ግና ንኣሕዋትኩምዶ ኽትሸጥዎም ኢኹም፧+ ንሳቶምከ መሊሶምዶ ናባና ኺሽየጡ እዮም፧” ድማ በልክዎም። ሽዑ፡ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ። 9 ኣነ ኸኣ፡ “እዚ እትገብርዎ ዘለኹም ጽቡቕ ኣይኰነን። እቶም ጸላእትና ኣህዛብ ከይጸርፉናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽና ኽትመላለሱዶ ኣይግብኣኩምን፧+ 10 ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን ድማ ገንዘብን እኽልን ነለቅሖም ኣለና። በጃኹም፡ ብወለድ ምልቃሕ ንሕደጎ።+ 11 በጃኹም፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ግራውቶምን+ ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣእዋም ኣውልዖምን ኣባይቶምን እቲ ኸም ወለድ እተኽፍልዎም ዘለኹም ሓደ ሚእታዊት* ገንዘቦምን እኽሎምን ጕዕሽ ወይኖምን ዘይቶምን ምለሱሎም” በልክዎም። 12 ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “ንመልሰሎም፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልን። ልክዕ ከምቲ ዝበልካዮ ኸኣ ክንገብር ኢና” በሉ። ኣነ ድማ ነቶም ካህናት ጸዊዐ፡ ነቶም ሰባት እቲኦም ነዚ ቓል እዚ ኺሕልዉ ኣምሓልክዎም። 13 ዕጻፍ ክዳነይ ነጊፈ* ኸኣ፡ “ነዚ ቓል እዚ ንዘይፍጽም ዘበለ ሰብ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ኻብ ቤቱን ካብ ጥሪቱን ይንገፎ፣ በዚ ኸምዚ እውን ንጉፍን ጥራዩን ይኹን” በልኩ። ኵሉ እቲ ጉባኤ ድማ፡ “ኣሜን!”* በለ። ንየሆዋ ድማ ወደስዎ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ከምቲ ዝኣተውዎ ቓል ገበሩ። 14 ብዘይካዚ፡ ካብታ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ሹሞም+ ክኸውን ዝመዘዘኒ መዓልቲ፡ ካብ መበል 20 ዓመት+ ክሳብ መበል 32 ዓመት+ ንጉስ ኣርታሕሻስታ፡+ 12 ዓመት፡ ኣነን ኣሕዋተይን ንሹም ዚግባእ እንጌራ ኣይበላዕናን።+ 15 እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምንቲ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ፣ ካባታቶም ድማ መዓልቲ መዓልቲ ንእንጌራን ንወይንን ዚኸውን 40 ሲቃል* ብሩር ይወስዱ ነበሩ። ገላዉኦም እውን ነቲ ህዝቢ ይጭቍንዎ ነበሩ። ኣነ ግና ንኣምላኽ ስለ ዝፈራህኩ፡+ ከምኡ ኣይገበርኩን።+ 16 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ዕዮ እቲ መካበብያ ተሳተፍኩ፣ ግራት እውን ኣየጥረናን።+ ኵሎም ገላዎይ ከኣ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተኣኪቦም ነበሩ። 17 ብዘይካ እቶም ካብ ኣህዛብ ዚመጹና ድማ፡ 150 ኣይሁድን መኳንንትን ኣብ መኣደይ ይምገቡ ነበሩ። 18 ንሓንቲ መዓልቲ ዚዳለወለይ* ድማ፡ ሓደ ብዕራይን ሽዱሽተ ሕሩያት ኣባጊዕን ኣዕዋፍን ነበረ፣ ሓንሳእ ኣብ ዓሰርተ መዓልቲ ኸኣ ኵሉ ዓይነት ወይኒ ብብዝሒ ነበረ። ምስናይዚ ግና፡ እቶም ህዝቢ ናይ ኣገልግሎት ጾር ጾይሮም ስለ ዝነበሩ፡ ንሹም ዚግባእ ምግቢ ኺውሃበኒ ኣይበልኩን። 19 ኦ ኣምላኸይ፡ ስለቲ ዅሉ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ፡ ብጽቡቕ* ዘክረኒ።+ 3 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ+ ኽብ ኣበሎ፣ ዝፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ መሳፍንቲ ልዕል ኣበለ።+ 2 ኵሎም እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ገላዉ ንጉስ ከኣ ንሃማን ፍግም ኢሎም ይሰግዱሉ ነበሩ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ብዛዕባኡ ኸምኡ ኣዚዙ ነበረ። ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ምስጋድ ኣበየ። 3 እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ገላዉ ንጉስ ድማ ንማርዶካይ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ትእዛዝ ንጉስ ዕሽሽ እትብል፧” በልዎ። 4 መዓልቲ መዓልቲ ይዛረብዎ ነበሩ፣ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን። ሽዑ፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፡+ ግብሪ ማርዶካይ ሸለል ዚብሃል እንተ ዀይኑ ኺርእዩ፡ ንሃማን ነገርዎ።+ 5 ሃማን ከኣ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ምስጋድ ከም ዝኣበየ ምስ ረኣየ፡ ሃማን ብነድሪ መልአ።+ 6 ብዛዕባ ህዝቢ ማርዶካይ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞ፡ ንማርዶካይ ጥራይ ምቕታል* ዚብል ሓሳብ እተናዕቀ ዀይኑ ተራእዮ። ስለዚ፡ ሃማን ነቶም ኣብ ብዘላ ግዝኣት ኣሓሽዌሮስ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድ፡ ንዅሎም ህዝቢ ማርዶካይ፡ ኬጥፍኦም ደለየ። 7 ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኒሳን፡* ኣብ መበል 12 ዓመት+ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ መዓልትን ወርሕን ንምውሳን ኣብ ቅድሚ ሃማን ጱር+ (ማለት ዕጫ) ኣውደቑ፣ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ኣዳር፡* ከኣ ወደቐት።+ 8 ሃማን ድማ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከምዚ በሎ፦ “ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ግዝኣትካ+ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ዝበሉን እተበተኑን ሓደ ህዝቢ ኣለዉ።+ ሕግታቶም ካብ ኵሎም ህዝብታት እተፈልየ እዩ፣ ሕግታት ንጉስ ከኣ ኣይእዘዙን እዮም። ምሕዳጎም ድማ ንንጉስ ዚጠቅም ኣይኰነን። "9 ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ኪጠፍኡ ትእዛዝ ይጸሓፍ። ኣነ ኸኣ ናብ መዝገብ ንጉስ ኪኣቱ፡ 10,000 ታለንት* ብሩር ነቶም ሰበ ስልጣን ክኸፍል እየ።”* " 10 ሽዑ፡ ንጉስ ቀለቤት ማሕተሙ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ+ ንሃማን ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡+ ጸላእ ኣይሁድ፡ ሃቦ።+ 11 ንጉስ ድማ ንሃማን፡ “ግቡእ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብር፡ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንዓኻ ተዋሂቡ እዩ” በሎ። 12 ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኸኣ፡ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ+ ተጸውዑ። ኵሉ ትእዛዝ ሃማን ድማ ናብ ራእስታት ንጉስን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃታት ናብ ዝነበሩ ሹማምንትን ናብ መሳፍንቲ እተፈላለዩ ህዝብታትን፡ ነናብ ኣውራጃ በብስርዓት ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ኸኣ በብቛንቋኡ ጸሓፉ።+ ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተጻሕፈ፡ ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ ድማ ተሓትመ።+ 13 እተን ደብዳበታት ከኣ፡ ንዅሎም ኣይሁድ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሕጻናትን ንኣንስትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡+ ኬጽንትዎምን ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን፡ ጥሪቶም ድማ ኪዘምቱ+ ዚብል ትእዛዝ ሒዘን፡ ብመልእኽተኛታት ናብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ተላእካ። 14 ነታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኺዳለዉ፡ ቅዳሕ እቲ ሰነድ ኣብ ኵሉ ኣውራጃ ኸም ሕጊ ኺወጽእን ንዅሎም ህዝብታት ኪእወጅን ነበሮ። 15 እቶም መልእኽተኛታት ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ወጹ፣+ እቲ ሕጊ ኸኣ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ወጸ። ንጉስን ሃማንን ድማ ኪሰትዩ ኾፍ በሉ፣ ከተማ ሱሳን* ግና ዕግርግር በለት። 7 ንጉስን ሃማንን+ ከኣ ናብ ድግስ ንግስቲ ኣስቴር መጹ። 2 ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ ኣብቲ ድግስ ወይኒ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ! እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪግበር እዩ!” በላ።+ 3 ንግስቲ ኣስቴር ድማ፡ “ኦ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ንንጉስ ድማ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ህይወተይ* ከም ልማኖይ፡ ህዝበይ+ ከኣ ከም ሕቶይ ይወሃበኒ። 4 ኣነን ህዝበይንሲ፡ ክንጸንትን ክንቅተልን ክንጠፍእን+ ተሼጥና ኢና።+ ተባዕትዮ ባሮትን ኣንስትዮ ባሮትን ኴንና ጥራይ እንተ ንሽየጥ፡ ስቕ ምበልኩ። ግናኸ፡ እዚ ንንጉስ ዚጐድኦ እዩ እሞ፡ እቲ ጭንቂ ግቡእ ኣይኰነን” ኢላ መለሰት። 5 ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴር፡ “ከምዚ ኺገብር ዝደፈረ መን እዩ፧ ኣበይከ ኣሎ፧” በላ። 6 ኣስቴር ከኣ፡ “እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ፡ እዚ ኽፉእ ሃማን እዩ” በለት። ሽዑ፡ ሃማን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ተሸበረ። 7 ንጉስ ድማ ነዲሩ ኻብቲ ድግስ ወይኒ ተንስአ፡ ናብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እቲ ቤተ መንግስቲ ኸኣ ከደ፣ ሃማን ግና፡ ንጉስ ኪቐጽዖ ኸም ዝቘረጸ ተገንዚቡ ነበረ እሞ፡ ንንግስቲ ኣስቴር ምእንቲ ህይወቱ* ኺልምና ተንስአ። 8 ንጉስ ከኣ ካብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እቲ ቤተ መንግስቲ ናብቲ ቤት እቲ ድግስ ወይኒ ተመልሰ እሞ፡ ንሃማን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዘላቶ ዓራት ወዲቑ ረኣዮ። ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ንንግስቲኸ ኣብ ገዛእ ቤተይዶ ኺዕምጻ እዩ፧” በለ። እዚ ቓላት እዚ ኻብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ንሃማን ገጹ ሸፈንዎ። 9 ሽዑ፡ ሓርቦና፡+ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ “ሃማን ነቲ ነጊሩ ንንጉስ ዘድሓኖ+ ማርዶካይ ኪኸውን ኢሉ እውን 50 እመት* ዝቝመቱ ጕንዲ ኣዳልዩ ኣሎ።+ ኣብ ቤት ሃማን ከኣ ቈይሙ ኣሎ” በለ። ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ኣብኡ ስቐልዎ” በለ። 10 ንሃማን ድማ ኣብቲ ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፣ ነድሪ ንጉስ ከኣ ዘሓለ። 1 ብዘመን ኣሓሽዌሮስ፡*—እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳብ ኢትዮጵያ* 127 ኣውራጃ ዝገዝአ እዩ፡+— 2 በቲ ዘመን እቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ፡* ኣብ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፡ 3 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ንዅሎም መሳፍንቱን ገላዉኡን ድግስ ገበረሎም። ሰራዊት ፋርስን+ ሜዶንን+ ልዑላንን መሳፍንቲ ኣውራጃታትን ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ነበሩ፣ 4 ንሱ ድማ ሃብቲ እታ ኽብርቲ መንግስቱን ክብርን ግርማን ዕቤቱን ብዙሕ መዓልትታት፡ 180 መዓልቲ፡ ኣርኣዮም። 5 እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ተወድኣ፡ ንጉስ ንዅሎም እቶም ኣብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ* እተረኽቡ፡ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ፡ ኣብ ኣጸድ ስፍራ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ ገበረሎም። 6 በፍታን ቅጭን ዓለባ ጡጥን ሰማያዊ ዓለባን ምስ ገመድ ቅጭን ዓለባን ጁዅ ኣብ ዝሕብሩ ጸምሪ ምስ እተለገበ ቐላብቲ ብሩርን ምስ ኣዕኑድ እምነ በረድን ተተሓሒዙ ነበረ፣ ዓራውቲ ወርቅን ብሩርን ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ እምኒ ጶርፌሪን ጻዕዳ እምነ በረድን ሉልን ጸሊም እምነ በረድን እተነጽፎ ባይታ ነበረ። 7 ወይኒ ኸኣ ብጽዋኣት* ወርቂ ቐረበ፣ እቲ ጽዋኣት ድማ በብዓይነቱ ነበረ። እቲ ወይኒ ንጉስ ከኣ ከም ልግሲ ንጉስ ኣኺሉ ዚተርፍ ነበረ። 8 ንጉስ ምስ ሰበ ስልጣን ቤተ መንግስቱ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ኪሕጐስ መሰናድዎ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ብዛዕባ መስተ ሓደ እኳ ኸይግደድ* ስርዓት ወጺኡ ነበረ። 9 ንግስቲ ዋሽቲ+ እውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንኣንስቲ ድግስ ገበረት። 10 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ልቢ ንጉስ ብወይኒ ምስ ተሓጐሰ፡ ንመሁማንን ንቢዝታን ንሓርቦናን+ ንቢግታን ንኣባግታን ንዜታርን ንካርካስን፡ ነቶም ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ብብሕቲ ዜገልግልዎ ሸውዓተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ፡ 11 ንግስቲ ዋሽቲ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት እሞ፡ መልክዓ ንህዝብታትን ንመሳፍንትን ንምርኣይ፡ ዘውዲ* ገይራ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኬምጽእዋ ኣዘዞም። 12 ንግስቲ ዋሽቲ ግና፡ በቲ እቶም ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ዝነገርዋ ትእዛዝ ንጉስ ምምጻእ ፈጺማ ኣበየት። ሽዑ፡ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣ ነድሩ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ነደደ። 13 ሽዑ፡ ንጉስ ነቶም ብዛዕባ ዝቐደመ ስርዓት* ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ጥበበኛታት ተዛረቦም፣ (ከመይሲ፡ ነገር ንጉስ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ፈላጣት ሕግን ጕዳይን ይቐርብ ነበረ፣ 14 እቶም ቀረባኡ ዝነበሩ ኸኣ ካርሽናን ሼታርን ኣድማታን ተርሲስን ሜረስን ማርሰናን መሙካንን፡ እቶም ሸውዓተ መሳፍንቲ+ ፋርስን ሜዶንን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዚቐርቡን ኣብታ መንግስቲ ዝለዓለ ቦታ ዝሓዙን ነበሩ።) 15 ንጉስ ከኣ፡ “ንግስቲ ዋሽቲ ነቲ በቶም ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ እተነግራ ትእዛዝ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ስለ ዘይተኣዘዘት፡ ብመሰረት ሕጊ እንታይ ትገበር፧” ኢሉ ሓተቶም። 16 ሽዑ፡ መሙካን ኣብ ቅድሚ ንጉስን እቶም መሳፍንትን ከምዚ በለ፦ “ንግስቲ ዋሽቲ ንንጉስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም መሳፍንትን ኣብ ኵሉ ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን እውን እያ በዲላ።+ 17 እዚ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገርሲ፡ ብዅለን ኣንስቲ ኺፍለጥ እዩ፣ ንሳተን ከኣ ንሰብኡተን ኪንዕቃ፡ ‘ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ዋሽቲ ናብ ቅድሚኡ ኼምጽእዋ ኣዚዙስ፡ ንሳ ግና ምምጻእ ኣብያ’ ድማ ኪብላ እየን። 18 በዛ መዓልቲ እዚኣ እቲ ንግስቲ ዝገበረቶ ዝፈለጣ ልዕልትታት ፋርስን ሜዶንን፡ ንዅሎም መሳፍንቲ ንጉስ ከምኡ ኺዛረባኦም፡ እዚ ኸኣ ንዕቀትን ቍጥዓን ኬስዕብ እዩ። 19 ንንጉስ ጽቡቕ ኰይኑ እንተ ተራእይዎስ፡ ንጉሳዊ ትእዛዝ ካብኡ ይውጻእ፣ ኣብቲ ኺስረዝ ዘይከኣል ሕግታት ፋርስን ሜዶንን ድማ ይጸሓፍ፣+ ዋሽቲ ደጊም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣይትእቶ፣ ንጉስ ከኣ ነቲ መዓርግ ንግስናኣ፡ ካብኣ ንእትሓይሽ ይሃብ። 20 ትእዛዝ ንጉስ ኣብ ኵሉ እቲ ሰፊሕ ግዝኣቱ ምስ ተሰምዐ ኸኣ፡ ኵለን ኣንስቲ ንሰብኡተን፡ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ፡ ክብሪ ኺህባኦም እየን።” 21 እዚ እማመ እዚ ድማ ንንጉስን ነቶም መሳፍንትን ባህ ኣበሎም፣ ንጉስ ከኣ ከምቲ መሙካን ዝበሎ ገበረ። 22 ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ጐይታ* ኪኸውንን ብቛንቋ ህዝቡ ኺዛረብንሲ፡ ናብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ፡ ነናብ ሃገር ከከም ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ድማ ከከም ቋንቋኡ ደብዳበታት ሰደደ።+ 8 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ቤት ሃማን+ እቲ ጸላእ ኣይሁድ+ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር ድማ፡ ማርዶካይ እንታያ ምዃኑ ስለ ዝነገረት፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ።+ 2 ንጉስ ከኣ ነቲ ኻብ ሃማን ዝወሰዶ ቐለቤት ማሕተሙ ኣውጺኡ+ ንማርዶካይ ሃቦ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሓላፍነት ሃበቶ።+ 3 ኣስቴር ከኣ ከም ብሓድሽ ንንጉስ ተዛረበቶ። ኣብ ኣእጋሩ ወዲቓ ድማ፡ ሃማን እቲ ኣጋጋዊ ዝገበሮን እቲ ንኣይሁድ እተተናዀሎምን ምእንቲ ኺፈርስ እናበኸየት ለመነቶ።+ 4 ሽዑ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ እቲ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ፣+ ኣስቴር ከኣ ተንሲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት። 5 ከምዚ ድማ በለት፦ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ንንጉስ ድማ ግቡእ እንተ መሲልዎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ እውን ባህ ዘብል እንተ ዀይነ፡ እቲ ተንኰለኛ ሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ+ ነቶም ኣብ ኵሉ ኣውራጃታት ንጉስ ዘለዉ ኣይሁድ ንምጥፋእ ዝጸሓፎ ሰነዳት ምእንቲ ኺስረዝ፡ ትእዛዝ ይጸሓፍ። 6 ከመይ ገይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዚመጽእ መዓት ክርኢ እኽእል፧ ከመይ ገይረኸ ጥፍኣት ኣዝማደይ ክርኢ እኽእል፧” 7 ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ንንግስቲ ኣስቴርን ንማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ ቤት ሃማን ንኣስቴር ሂበያ ኣለኹ፣+ ንሱ ንኣይሁድ ኬጥቅዕ* ውዲት ስለ ዝኣለመ ድማ፡ ኣብ ጕንዲ ኸም ዚስቀል ገይረዮ ኣለኹ።+ 8 እቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ እተሓትመን ትእዛዝ ኪስረዝ ኣይከኣልን እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኣይሁድ ግቡእ ኰይኑ እተራእየኩም ዘበለ ብስም ንጉስ ክትጽሕፉን ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ ክትሓትምዎን ትኽእሉ ኢኹም።”+ 9 በታ ግዜ እቲኣ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ሲዋን፡* ኣብ መበል 23 መዓልቲ፡ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ። ኵሉ እቲ ማርዶካይ ዝኣዘዞ ድማ ናብ ኣይሁድን ናብ ራእስታትን+ ናብ ሹማምንትን ናብ መሳፍንቲ ኣውራጃታትን፡+ ካብ ህንዲ ኽሳብ ኢትዮጵያ 127 ኣውራጃ፡ ነናብ ኣውራጃ በብስርዓት ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ኸኣ በብቛንቋኡ፡ ናብ ኣይሁድ እውን ብስርዓት ኣጸሓሕፋኦምን ብቛንቋኦምን ጸሓፉ። 10 ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ድማ ጸሓፎ፣ ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ እውን ሓተሞ።+ ነቲ እተጻሕፈ ሰነዳት ብኢድ ኣፍራስ ዚውጥሑ መልእኽተኛታት ሰደዶ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣገልግሎት ንጉስ ተባሂሎም ኣብ እተፋረዩ ፈጣናት ናይ መልእኽቲ ኣፍራስ ተወጥሑ። 11 ኣብቲ ሰነዳት ድማ፡ ንጉስ ነቶም ኣብ ኵለን ከተማታት ዘለዉ ኣይሁድ ተኣኪቦም ንህይወቶም* ኪከላኸሉላ፡ ንዜጥቅዕዎም ኵሎም ሓይልታት ህዝቢ ወይ ኣውራጃ፡ እንተላይ ንኣንስትን ሕጻናትን፡ ኬጽንትዎምን ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን፡ ጥሪቶም ከኣ ኪዘምቱ ፈቐደሎም።+ 12 እዚ ድማ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብታ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡* ኪኸውን ነበሮ።+ 13 ጽሑፍ* እቲ ሰነድ፡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ከም ሕጊ ኺወጽእ ነበሮ። ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ሕነ ንምፍዳይ በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኺዳለዉ፡ ንዅሎም ህዝብታት ኪእወጅ ነበሮ።+ 14 እቶም ንኣገልግሎት ንጉስ ተባሂሎም ኣብ እተፋረዩ ናይ መልእኽቲ ኣፍራስ ዚውጥሑ መልእኽተኛታት፡ ብትእዛዝ ንጉስ ብህጹጽን ብፍጥነትን ወጹ። እቲ ሕጊ ኸኣ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* እውን ወጸ። 15 ማርዶካይ ድማ ሰማያውን ጻዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፡ ዓብዪ ዘውዲ ወርቂ ኸኣ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፡ ካብ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እተገብረ ቕጭን ዓለባ ዝዀነ ባርኖስ ድማ ደሪቡ፡ ካብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ።+ ከተማ ሱሳን* ከኣ ብሓጐስ እልል በለት። 16 ንኣይሁድ ድማ ራህዋን* ሓጐስን ፍስሃን ክብርን ኰነሎም። 17 ኣብ ኵለን ኣውራጃታትን ኣብ ኵለን ከተማታትን፡ ማለት ትእዛዝ ንጉስን ሕጉን ኣብ ዝበጽሖ ዘበለ፡ ኣይሁድ ይሕጐሱን ይፍስሁን ይድግሱን የብዕሉን ነበሩ። ብዙሓት ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸኣ፡ ራዕዲ ኣይሁድ ኣባታቶም ስለ ዝወደቐ፡ ኣይሁድ ኰኑ።+ 2 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ነድሪ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ+ ምስ ዘሓለ፡ ነቲ ዋሽቲ ዝገበረቶን+ ኣብ ልዕሊኣ እተወሰነን ዘከረ።+ 2 ሽዑ፡ እቶም ናይ ብሕቲ ገላዉ ንጉስ፡ “ንንጉስ መልክዐኛታት ደናግል ኣዋልድ ይድለዩሉ። 3 ኵለን መልክዐኛታት ደናግል ኣዋልድ ናብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ፡* ናብ ቤት ኣንስቲ* ኺእክቡ ኸኣ፡ ንጉስ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ግዝኣቱ ሰብ መዚ ይሽም።+ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ+ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን ሓላው ኣንስትን ድማ የንብርወን፣ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን ከኣ ይገበረለን።* 4 እታ ንንጉስ ባህ እተብሎ ጓል ድማ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ትንገስ” በሉ።+ እዚ ሓሳብ እዚ ንንጉስ ባህ ኣበሎ፣ ከምኡ ኸኣ ገበረ። 5 ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ድማ ሓደ ማርዶካይ+ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ወዲ ያኢር ወዲ ሺምዒ ወዲ ቂስ፡ ብንያማዊ ነበረ።+ 6 ንሱ ኸኣ ምስቶም ምስቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝማረኾ የኮንያ*+ ንጉስ ይሁዳ እተማረኹ ምሩኻት፡ ካብ የሩሳሌም እተማረኸ ነበረ። 7 ንሃዳሳ* ጓል ሓው ኣቦኡ+ ድማ፡ ንሳ ኣስቴር፡ ኣቦን ኣደን ኣይነበርዋን እሞ፡ መዕበዪኣ* ነበረ። እታ ጓል ከኣ ጽቡቕ ዝቕርጻን ማራኺ ዝትርኢታን ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ድማ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ገይሩ ወሲድዋ ነበረ። 8 ቃል ንጉስን ሕጉን ምስ ተኣወጀ፡ ብዙሓት ኣዋልድ ከኣ ናብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ* ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ+ ምስ ተኣከባ፡ ኣስቴር እውን ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ እቲ ሓላው ኣንስቲ ናብ ቤት* ንጉስ ተወስደት። 9 እታ ጓል ድማ ባህ ኣበለቶ፡ ሞገሱ እውን ረኸበት፣* ስለዚ፡ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክንን*+ ግቡእ ምግብን ቀልጢፉ ኣሰናደወላ፣ ካብ ቤት ንጉስ ከኣ ሸውዓተ ሕሩያት ኣዋልድ መደበላ። ንዓኣን ንኣግራዳን ድማ ካብቲ ቤት ኣንስቲ* ናብ ዝበለጸ ቦታ ቐየረን። 10 ማርዶካይ+ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ኣዚዝዋ ነበረ እሞ፡+ ኣስቴር ብዛዕባ ህዝባ+ ወይ ኣዝማዳ ኣይነገረትን። 11 ማርዶካይ ከኣ፡ ኣስቴር ደሓን ከም ዘላን እንታይ ይገብርዋ ኸም ዘለዉን ኪፈልጥ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣጸድ ቤት ኣንስቲ* ይመላለስ ነበረ። 12 ነፍሲ ወከፍ ጓል ነቲ ንኣንስቲ እተሰርዐ ናይ 12 ወርሒ ኽንክን ምስ ወድአት፡ ናብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ክትኣቱ ተራ ይበጽሓ ነበረ። ከመይሲ፡ ነቲ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን* በዚ ኸምዚ፡ ማለት ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይቲ ኸርበ፡+ ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይቲ በለሳን፡+ ከምኡ ድማ ንኽንክን ጽባቐ* ብዚኸውን እተፈላለየ ቕብእታት ትፍጽሞ ነበረት። 13 ሽዑ፡ እታ ጓል ናብ ንጉስ ክትኣቱ ድልውቲ ትኸውን ነበረት፣ ካብ ቤት ኣንስቲ* ናብ ቤት ንጉስ ክትኣቱ ኸላ ኸኣ፡ ዝሓተተቶ ዘበለ ይውሃባ ነበረ። 14 ንሳ ምሸት ትኣቱ፡ ንግሆ ድማ ናብታ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሻዕሽጋዝ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን+ ሓላው ኣንስቲ ወሰንን ዘላ ኻልአይቲ ቤት ኣንስቲ* ትኸይድ ነበረት። ንጉስ ብእኣ ኣዝዩ ባህ እንተ ዘይኢልዎን ብስማ እንተ ዘይተጸዊዓን፡ መሊሳ ናብ ንጉስ ኣይትኣቱን ነበረት።+ 15 እታ ማርዶካይ ከም ጓሉ ዝወሰዳ ጓል ኣቢሓይል ሓው ኣቦኡ ዝዀነት ኣስቴር+ ናብ ንጉስ እትኣትወሉ ተራ ምስ በጽሐ፡ ብዘይካ ሄጋይ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን ሓላው ኣንስትን ዝበላ ነገር ካልእ ኣይሓተተትን። (ኣስቴር ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝረኣይዋ ዘበሉ ዅሎም ሞገስ ትረክብ ነበረት።) 16 ኣስቴር ከኣ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ጤቤት፡* ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት+ ንግስናኡ፡ ናብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተወስደት። 17 ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን ኣንስቲ ብዝያዳ ኣፍቀራ፣ ሓለፋ ዅለን ደናግል ከኣ ሞገሱን ስምረቱን* ረኸበት። ስለዚ፡ ኣብ ርእሳ ዘውዲ* ገበረላ፡ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ+ እውን ኣንገሳ።+ 18 ንጉስ ድማ ንዅሎም መሳፍንቱን ገላዉኡን ዓብዪ ድግስ፡ ናይ ኣስቴር ድግስ፡ ገበረሎም። ንኣውራጃታት ከኣ ምሕረት ኣወጀ፣ ከም ልግሲ ንጉስ ድማ ህያባት ሃበ። 19 ደናግል*+ ካልኣይ ግዜ ኺእከባ ኸለዋ፡ ማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ነበረ። 20 ኣስቴር ከኣ ከምቲ ማርዶካይ ዝኣዘዛ፡ ብዛዕባ ኣዝማዳን ህዝባን ኣይነገረትን ነበረት።+ ኣስቴር ድማ ከምቲ ኣብ ትሕቲኡ ኸላ እትገብሮ ዝነበረት፡ ማርዶካይ ዝበላ ትገብር ነበረት።+ 21 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ተረሽን ዚብሃሉ ሓለውቲ ማዕጾ ዝዀኑ ኽልተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ ተቘጢዖም ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኪቐትልዎ* ውዲት ኣለሙ። 22 ግናኸ፡ ማርዶካይ ብዛዕባ እዚ ፈለጠ፣ ብኡብኡ ኸኣ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ* ንንጉስ ነገረቶ። 23 እቲ ነገር ከኣ ተመርመረ እሞ ተረጋገጸ፣ ክልቲኦም ድማ ኣብ ጕንዲ ተሰቕሉ። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመናት ተጻሕፈ።+ 4 ማርዶካይ+ ድማ ኵሉ እቲ እተገብረ ነገር ምስ ፈለጠ፡+ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ማቕን ሓምዅሽትን እውን ለበሰ። ናብ ማእከል እታ ኸተማ ወጺኡ ድማ፡ ዓው ኢሉ መሪር ኣውያት ኣእወየ። 2 ሓደ እኳ ማቕ ተኸዲኑ ብኣፍ ደገ ንጉስ ኣይኣቱን ነበረ እሞ፡ ክሳብ ኣፍ ደገ ንጉስ ጥራይ ከደ። 3 ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበጽሓ ዘበለት ኣውራጃ፡+ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ጾምን+ ብኽያትን ዋይዋይታን ኰነ። ብዙሓት ኣብ ማቕን ሓምዅሽትን በጥ በሉ።+ 4 ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባታን መጺኦም ምስ ነገርዋ፡ ንግስቲ ኣዝያ ተጨነቐት። ንማርዶካይ ከኣ ኣብ ክንዲ ማቑ ኪኽደኖ፡ ክዳውንቲ ሰደደትሉ፣ ንሱ ግና ኣበዮም። 5 ሽዑ፡ ኣስቴር ንሃታክ፡ ሓደ ኻብቶም ንጉስ ኬገልግልዋ ዝሸመላ ስሉባቱ፡ ጸውዓቶ፣ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ይኸውን ከም ዘሎን ካብ ማርዶካይ ኪፈልጥ ድማ ኣዘዘቶ። 6 ሃታክ ከኣ ናብ ማርዶካይ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ኣፍ ደገ ንጉስ ዘሎ ኣደባባይ ወጸ። 7 ማርዶካይ ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝዀኖን ብዛዕባ እቲ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ናብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ቓል ዝኣተዎ ልክዕ መጠን ገንዘብን ነገሮ።+ 8 ንኣስቴር ኬርእያን ኪገልጸላን፡ ናብ ንጉስ ኣትያ ኣብ ክንዲ ህዝባ ኸተማልድን ብቐጥታ ኽትልምኖን ከኣ ኪነግራ፡+ ቅዳሕ እቲ ንምጥፋኦም ኣብ ሱሳን* ብጽሑፍ ዝወጸ ትእዛዝ ሃቦ።+ 9 ሃታክ ድማ ናብ ኣስቴር መጺኡ፡ እቲ ማርዶካይ ዝበሎ ነገራ። 10 ኣስቴር ከኣ ንሃታክ ንማርዶካይ ከምዚ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዘቶ፦+ 11 “ሰብኣይ ኰነ፡ ሰበይቲ ዀነት፡ ከይተጸውዐ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ንጉስ+ ዚኣቱ ኺመውት ሓደ ሕጊ ጥራይ ከም ዘሎ፡ ኵሎም ገላዉ ንጉስን ህዝቢ ኣውራጃታት ንጉስን ይፈልጡ እዮም። ንጉስ ነታ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሓሉ ጥራይ እዩ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል።+ ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ካብ ዘይጽዋዕ፡ ሕጂ 30 መዓልቲ ዀይኑ ኣሎ።” 12 ማርዶካይ ከኣ፡ ኣስቴር ዝበለቶ ምስ ተነግሮ፡ 13 ንኣስቴር ከምዚ ኢሉ መለሰላ፦ “ኣብ ውሽጢ ቤተ ሰብ ንጉስ ስለ ዘለኺ፡ ካብ ኵሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ ኸተምልጢ ኸም እትኽእሊ ጌርኪ ኣይትሕሰቢ። 14 ኣብዚ ግዜ እዚ ስቕ እንተ ኢልክስ፡ ንኣይሁድ ራህዋን ድሕነትን ካብ ካልእ ምንጪ ኺመጽእ እዩ፣+ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኡ ኢኹም። ንኸምዚ ዝበለ እዋን መዓርግ ንግስና ረኺብኪ እንተ ዀንኪኸ፡ መን ይፈልጥ፧”+ 15 ሽዑ፡ ኣስቴር ንማርዶካይ ከምዚ ኢላ መለሰትሉ፦ 16 “ኬድካ፡ ኣብ ሱሳን* ንእተረኽቡ ዅሎም ኣይሁድ ኣክቦም እሞ፡ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበላዕኩምን ከይሰተኹምን ጽሙለይ።+ ኣነ እውን ምስ ኣግራደይ ክጸውም እየ። ሽዑ፡ ኣንጻር ሕጊ እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፣ እንተ ጠፊአ ኸኣ፡ እጥፋእ።” 17 ማርዶካይ ድማ ከይዱ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣስቴር ኪገብሮ ዝኣዘዘቶ ገበረ። 6 በታ ለይቲ እቲኣ፡ ንጉስ ድቃስ ሰኣነ።* ስለዚ፡ መጽሓፍ መዝገብ ታሪኽ ዘመናት ኪመጽእ ኣዘዘ፣+ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ተነብበ። 2 ኣብኡ ኸኣ፡ ማርዶካይ ብዛዕባ እቶም ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኪቐትልዎ* ውዲት ዝኣለሙ ቢግታናን ተረሽን ዚብሃሉ ሓለውቲ ማዕጾ ዝዀኑ ኽልተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ከም ዝነገረ ተጻሒፉ ተረኽበ።+ 3 ንጉስ ድማ፡ “ንማርዶካይ ብዛዕባ እዚ እንታይ ክብርን ዕቤትን ተገይሩሉ፧” ኢሉ ሓተተ። እቶም ናይ ብሕቲ ገላዉኡ ኸኣ፡ “ገለ ነገር እኳ ኣይተገብረሉን” በሉ። 4 ንጉስ ድማ፡ “ኣብ ኣጸድ መን ኣሎ፧” በለ። ሃማን ከኣ ንንጉስ፡ ንማርዶካይ ኣብቲ ዘዳለወሉ ጕንዲ ብዛዕባ ምስቃል ኪዛረቦ ኢሉ+ ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ቤት* ንጉስ ኣትዩ ነበረ።+ 5 ገላዉ ንጉስ ድማ፡ “ሃማን ኣብ ኣጸድ ደው ኢሉ ኣሎ” በልዎ።+ ንጉስ ከኣ፡ “ይእቶ” በለ። 6 ሃማን ምስ ኣተወ፡ ንጉስ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ኪግበረሉ ይግባእ፧” በሎ። ሃማን ከኣ ብልቡ፡ “ንጉስ ካባይ ኣብሊጹ ንመን ኬኽብር ምደለየ፧” በለ።+ 7 ሃማን ድማ ንንጉስ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡ 8 ንጉስ ዚኽደኖ ልብሰ መንግስትን+ ኣብ ርእሱ ዘውዲ* ዝገበረ ንጉስ ዚውጥሖ ፈረስን የምጽኡሉ። 9 እቲ ልብስን እቲ ፈረስን ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ሓደ ኻብቶም ልዑላን መሳፍንቲ ንጉስ ይወሃብ፣ ነቲ ንጉስ ኬኽብሮ ዝደለዮ ሰብ ድማ ይኽደንዎ፣ ኣብቲ ፈረስ ኣወጢሖምዎ ኸኣ ብኣደባባይ ከተማ የሕልፍዎ። ቀቅድሚኡ ድማ፡ ‘ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡ ከምዚ ይግበረሉ!’ ኢሎም ይጨድሩ” በለ።+ 10 ሽዑ፡ ንጉስ ንሃማን፡ “ቀልጥፍ! ነቲ ልብስን ነቲ ፈረስን ወሲድካ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኸምቲ ዝበልካዮ ግበረሉ። ካብቲ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይተጕድል” በሎ። 11 ሃማን ከኣ ነቲ ልብስን ነቲ ፈረስን ወሰዶ፣ ንማርዶካይ ድማ ከደኖ፡+ ኣብቲ ፈረስ ከኣ ኣወጥሖ፡ ብኣደባባይ እታ ኸተማ እውን ኣሕለፎ፣ ቀቅድሚኡ ድማ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡ ከምዚ ይግበረሉ!” ኢሉ ጨደረ። 12 ማርዶካይ ከኣ ናብ ኣፍ ደገ ንጉስ ተመልሰ፣ ሃማን ግና ጕህዩን ርእሱ ተጐልቢቡን ናብ ቤቱ ተቐላጢፉ ኸደ። 13 ሃማን ድማ፡ እቲ ዝዀኖ ንሰበይቱ ዘረሽን+ ንዅሎም ፈተውቱን ምስ ኣዘንተወሎም፡ እቶም ጥበበኛታቱን ሰበይቱ ዘረሽን፡ “እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ ማርዶካይ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ዀይኑ፡ ኣይክትስዕሮን ኢኻ፣ የግዳስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብርግጽ ክትወድቕ ኢኻ” በልዎ። 14 ገና ምስኡ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ መጺኦም፡ ንሃማን ናብቲ ኣስቴር ዝገበረቶ ድግስ ቀልጢፎም ወሰድዎ።+ 10 ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ብግዲ ኣሸቀለ። 2 ኵሉ ብርቱዕን ሓያልን ግብሩ፡ ከምኡ እውን ዝርዝር ጸብጻብ እቲ ንጉስ ልዕል ዘበሎ ዕቤት+ ማርዶካይ፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን+ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 3 ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውስ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ካልኣዩ ነበረ። ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዓብዪ፡* ብብዙሓት ኣሕዋቱ ድማ ዚኽበር፡ ንጽቡቕ ህዝቡ ዚዓይን ንድሕንነት ኵሎም ዘርኦም ዚጣበቕን* ነበረ። 9 እታ ቓል ንጉስን ሕጉን ዚፍጸመላ+ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡*+ በታ ጸላእቲ ኣይሁድ ኪስዕርዎም ተስፋ ዝገበሩላ መዓልቲ፡ ብኣንጻሩ፡ ኣይሁድ ነቶም ዚጸልእዎም ሰዓርዎም።+ 2 ኣይሁድ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡+ ኣንጻር እቶም ኪጐድእዎም ዚደልዩ ኣእዳዎም ኬልዕሉ ኣብ ከተማታቶም ተኣከቡ፣ ራዕዶም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኺቃወሞም ኣይከኣለን።+ 3 ኵሎም መሳፍንቲ ኣውራጃታትን ራእስታትን+ ሹማምንትን ጕዳይ ንጉስ ዚገብሩን ከኣ፡ ንማርዶካይ ስለ ዝፈርህዎ፡ ንኣይሁድ ይድግፉ ነበሩ። 4 ማርዶካይ ኣብ ቤት* ንጉስ ዓብዪ ዀይኑ ነበረ።+ ማርዶካይ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ዝናኡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ተዘርግሐ። 5 ኣይሁድ ከኣ ንዅሎም ጸላእቶም ብሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎምን ኣጥፍእዎምን፣ ነቶም ዚጸልእዎም፡ ከም ዝደለይዎ ገበርዎም።+ 6 ኣይሁድ ድማ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ፡* 500 ሰባት ቀተሉን ኣጥፍኡን። 7 ነቶም ጳርሻንዳታን ደልፎንን ኣስጳታን 8 ጶራታን ኣዳልያን ኣሪዳታን 9 ጳርማሽታን ኣሪሳይን ኣሪዳይን ዋይዛታን 10 ዚብሃሉ ዓሰርተ ደቂ ሃማን ወዲ ሃመዳታ እቲ ጸላእ ኣይሁድ ከኣ ቀተልዎም።+ ግናኸ፡ ምስ ቀተልዎም፡ ዘመተ ዚብሃል ኣይወሰዱን።+ 11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ* እተቐትሉ ንንጉስ ተነግሮ። 12 ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር፡ “ኣይሁድሲ ኣብ ሱሳን* እዛ ዕርዲ ኸተማ* 500 ሰባትን ዓሰርተ ደቂ ሃማንን ቀቲሎምን ኣጥፊኦምን። ኣብ ዝተረፈ ኣውራጃታት ንጉስ ደኣ እንታይ ኰን ገይሮም ይዀኑ፧+ ሕጂኸ እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ። እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ኪግበር እዩ” በላ። 13 ሽዑ፡ ኣስቴር፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡+ ኣብ ሱሳን* ዘለዉ ኣይሁድ ጽባሕ ከምዚ ናይ ሎሚ ሕጊ ኺገብሩ ይፈቐድ፣+ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ከኣ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢላ መለሰት።+ 14 ንጉስ ድማ ከምኡ ኺግበር ትእዛዝ ሃበ። ኣብ ሱሳን* ከኣ ሕጊ ወጸ፣ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ድማ ተሰቕሉ። 15 እቶም ኣብ ሱሳን* ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ወርሒ ኣዳር ከም ብሓድሽ ተኣከቡ፣+ ኣብ ሱሳን* ድማ 300 ሰባት ቀተሉ፣ ዘመተ ዚብሃል ግና ኣይወሰዱን። "16 እቶም ኣብ ኣውራጃታት ንጉስ ዝነበሩ ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ተኣኪቦም ንህይወቶም* ተኸላኸሉላ።+ ንጸላእቶም ከኣ ኣጥፍእዎም፣+ ካብቶም ዚጸልእዎም ድማ 75,000 ቀተሉ፣ ዘመተ ዚብሃል ግና ኣይወሰዱን።" 17 እዚ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር ኰነ፣ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ኸኣ ዓረፉ፣ መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ድማ ገበርዋ። 18 እቶም ኣብ ሱሳን* ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ መበል 13 መዓልትን+ ኣብ መበል 14 መዓልትን+ ተኣከቡ፣ ኣብ መበል 15 መዓልቲ ድማ ዓረፉ፣ መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ከኣ ገበርዋ። 19 ስለዚ፡ እቶም ኣብ ናይ ገጠር ከተማታት ዚርከቡ ኣብ ገጠር ዚነብሩ ኣይሁድ፡ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር መዓልቲ ሓጐስን ድግስን መዓልቲ በዓልን+ ንሓድሕዶም ግደታት ምግቢ ዚለኣኣኹላ እዋንን ገበርዋ።+ 20 ማርዶካይ+ ድማ ነዚ ነገር እዚ መዝጊቡ፡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዚርከቡ ዅሎም ኣይሁድ ወግዓዊ ደብዳበታት ሰደደ። 21 መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር፡ ከምኡ እውን መበል 15 መዓልቲ፡ ዓመት ዓመት ኬብዕሉ ኣዘዞም። 22 ከመይሲ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዓረፉ፡ በታ ወርሒ እቲኣ እውን ጓሂኦም ናብ ሓጐስ፡ ሓዘኖም+ ከኣ ናብ በዓል ተቐየረ። መዓልትታት ድግስን ሓጐስን፡ ግደታት ምግቢ ንሓድሕዶም ዚለኣኣኹሉን ንድኻታት ህያባት ዚህቡሉን እዋን ገይሮም ኬብዕልወን ነበሮም። 23 ኣይሁድ ድማ ነቲ ዝጀመርዎ በዓል ኪቕጽልዎን ነቲ ማርዶካይ ዝጸሓፈሎም ኪገብርዎን ተሰማምዑ። 24 ከመይሲ፡ ሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡+ እቲ ጸላእ ኵሎም ኣይሁድ፡ ንኣይሁድ ኬጥፍኦም ኢሉ ተተናዂልዎም ነበረ፣+ ኪርብሾምን ኬጥፍኦምን ኢሉ እውን ጱር፡+ ማለት ዕጫ፡ ኣውዲቑ ነበረ። 25 ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ መጸት ግና፡ ንሱ፡ “እቲ ንኣይሁድ እተተናዀሎም ክፉእ ተንኰሉ+ ኣብ ርእሱ ይመለስ” ኢሉ ብጽሑፍ ትእዛዝ ሃበ፣+ ንሳቶም ከኣ ንዕኡን ንደቁን ኣብ ጕንዲ ሰቐልዎም።+ 26 ስለዚ እዮም ነዘን መዓልትታት እዚአን፡ ብስም ጱር፡ ጱሪም ኢሎም ዝጸውዕወን።*+ እምበኣር፡ ብምኽንያት እቲ ዅሉ ኣብዛ ደብዳበ እዚኣ እተጻሕፈን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝረኣይዎን ኣብ ልዕሊኦም ዝመጸን፡ 27 ኣይሁድ ነዘን ክልተ መዓልቲ ብርግጽ ኬብዕልወን፡ እቲ ብዛዕባአን እተጻሕፈ ድማ ኣብቲ ምዱብ ግዜ በብዓመቱ ኺገብሩ፡ ኣብ ርእሶምን ኣብ ዘርኦምን ምሳታቶም ኣብ ዚሓብሩ ዅሎምን ግዴታ ጸዓኑ።+ 28 እዘን መዓልትታት እዚአን፡ ኣብ ኣኣውራጃን ኣብ ከከተማን ኣብ ኵሉ ወለዶ በብዓሌት ኪዝከራን ኪብዓላን እየን፣ እዘን መዓልትታት ጱሪም እዚአን ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ኣይኬቋርጻን፡ ዝኽረን ከኣ ኣብ መንጎ ዘርኦም ኣይኪጠፍእን እዩ። 29 ሽዑ፡ ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢሓይልን ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን፡ ብዛዕባ ጱሪም ንእትገልጽ ካልአይቲ ደብዳበ ንምጽናዕ ብምሉእ ስልጣን ጸሓፉ። 30 ነቲ ወግዓዊ ደብዳበታት ከኣ ኣብ 127 ኣውራጃ፡+ ኣብ ግዝኣት ኣሓሽዌሮስ+ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ብቓላት ሰላምን ሓቅን ሰደዶ፣ 31 እዚ ድማ ከምቲ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን ንግስቲ ኣስቴርን ኪገብርዎ ዝኣዘዝዎም፡+ ከምቲ ንሳቶም እውን ብዛዕባ ጾምን+ ምህለላን+ ኪገብርዎ ኢሎም ኣብ ርእሶምን* ኣብ ዘርኦምን ዝጸዓንዎ ግዴታ፡+ እቲ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ዚብዓል መዓልትታት ጱሪም ምእንቲ ኺጸንዕ እዩ። 32 ትእዛዝ ኣስቴር ከኣ ነዚ ናይ ጱሪም ነገር ኣጽንዖ፣+ ኣብ መጽሓፍ ድማ ተመዝገበ። 5 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡+ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና፡ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ቤት* ንጉስ፡ ኣብ መንጽር ቤት ንጉስ ደው በለት፣ ንጉስ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣፍ ደገ ኣብ ዝፋን መንግስቱ ኾፍ ኢሉ ነበረ። 2 ንጉስ ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ ኣጸድ ደው ኢላ ምስ ረኣያ፡ ሞገሱ ረኸበት፣ ንጉስ ከኣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ።+ ኣስቴር ድማ ቀሪባ፡ ርእሲ እቲ ዘንጊ ተንከየት። 3 ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧ እንታይ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪውሃበኪ እዩ” ኢሉ ሓተታ። 4 ኣስቴር ከኣ፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎስ፡ ንጉስ ምስ ሃማን+ ኰይኑ ናብቲ ዘዳሎኹሉ ድግስ ሎሚ ይምጻእ” ኢላ መለሰት። 5 ንጉስ ድማ ንሰቡ፡ “ከምቲ ኣስቴር ዝለመነቶ፡ ንሃማን ቀልጢፉ ኺመጽእ ንገርዎ” በሎም። ንጉስን ሃማንን ከኣ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ድግስ ከዱ። 6 ኣብቲ ድግስ ወይኒ ድማ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ “እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ! እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪግበር እዩ!” በላ።+ 7 ኣስቴር ከኣ፡ “ልማኖይን ሕቶይን እዚ እዩ፦ 8 ኣብ ንጉስ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ልማኖይ ኪህበንን ከም ሕቶይ ኪገብርን ድማ ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ንጉስ ምስ ሃማን ናብቲ ጽባሕ ዝገብሮ ድግስ ይምጻእ፣ ጽባሕ ከኣ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ” ኢላ መለሰት። 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሃማን ባህ ኢልዎ፡ ልቡ እውን ተሓጒሱ ወጸ። ግናኸ፡ ሃማን ንማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ምስ ረኣዮ፡ ከም ዘይተንስአን ብእኡ ራዕራዕ ከም ዘይበለን ድማ ምስ ኣስተብሃለ፡ ሃማን ኣብ ልዕሊ ማርዶካይ ነድሪ መልኦ።+ 10 ሃማን ግና ገዛእ ርእሱ ተቘጻጺሩ ናብ ቤቱ ኸደ። ንፈተውቱን ንሰበይቱ ዘረሽን+ ከኣ ልኢኹ ጸውዖም። 11 ሃማን ድማ ብዛዕባ ዕቤት ሃብቱን ብዛዕባ ብዝሒ ደቁን+ ንጉስ ከመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ መሳፍንትን ገላዉ ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎን ተመክሐ።+ 12 ሃማን ከኣ ወሲኹ፡ “ንግስቲ ኣስቴር ንንጉስ ናብቲ ዘዳለወቶ ድግስ ንምስናይ እውን፡ ብዘይካይ ካልእ ኣይዓደመትን።+ ጽባሕ ድማ ምስኣን ምስ ንጉስን ክኸውን ተዓዲመ ኣለኹ።+ 13 ግናኸ፡ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዝርእዮስ፡ እዚ ዅሉ ኣየዕግበንን እዩ ዘሎ” በለ። 14 ሽዑ፡ ሰበይቱ ዘረሽን ኵሎም እቶም ፈተውቱን፡ “50 እመት* ዝቝመቱ ጕንዲ ኣትክል። ንግሆ ኸኣ ንንጉስ፡ ማርዶካይ ኣብኡ ኺስቀል ንገሮ።+ ድሕሪኡ፡ ምስ ንጉስ ናብቲ ድግስ ባህ ኢሉካ ትኸይድ” በልዎ። እዚ ሓሳብ እዚ ንሃማን ጽቡቕ መሰሎ፣ ስለዚ፡ ጕንዲ ኣትከለ። 17 “መንፈሰይ ተሰይሩ፡ መዓልትታተይ ጠፊኡ፣መቓብር ይጽበየኒ ኣሎ።+ 2 መላገጽቲ ይኸብቡኒ፣+ዓይነይ ከኣ ንዕልወቶም ትጥምት። 3 በጃኻ፡ ትሕጃይ ውሰድ እሞ ምሳኻ ሓዞ። ብዘይካኻስ መንዶ ኺውሓሰኒ ኢሉ ኢድ ኪጠቕዓለይ እዩ፧+ 4 ንምስትውዓልሲ ኻብ ልቦም ሓቢእካዮ ኣለኻ፣+ስለዚ ኢኻ ልዕል ዘይተብሎም። 5 ኣዒንቲ ደቁ ጠሊመን ከለዋስ፡ንፈተውቱ ኸካፍል ይብል። 6 ኣብ ገጹ ጡፍ ዚብሃለሉ ክኸውንሲ፡+ኣብ መንጎ ህዝብታት መመሰሊ ገይሩኒ።+ 7 ኣዒንተይ ብጓሂ ይሓምቃ ኣለዋ፣+ኵሉ መሓውረይ ጽላሎት ኰይኑ ኣሎ። 8 ቅኑዓት በዚ ተገሪሞም ይጥምቱ፣ንጹህ ድማ፡ ኣምላኽ ብዘይብሉ* ይርበሽ። 9 ጻድቕ ኣብ መገዱ ይጸንዕ፣+እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉ ኸኣ እናበርትዐ ይኸይድ።+ 10 ግናኸ፡ ኵላትኩም ተመሊስኩም ክትማጐቱኒ ትኽእሉ ኢኹም፣ኣብ መንጎኹምሲ ሓደ ጥበበኛ እኳ ኣይረኸብኩን።+ 11 መዓልትታተይ ተወዲአን፣+ውጥናተይን ትምኒት ልበይን ፈሪሱ።+ 12 ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፣‘ጸልማት ስለ ዝዀነ፡ ብርሃን ቀሪቡ ኪኸውን ኣለዎ’ ኸኣ ይብሉ። 13 እንተ ተጸብየ፡ መቓብር* ቤተይ ኪኸውን እዩ፣+ዓራተይ ድማ ኣብ ጸልማት ክዝርግሕ እየ።+ 14 ንጕድጓድ፡*+ ‘ኣቦይ ኢኻ!’ ንሓሰኻ፡ ‘ኣደይን ሓብተይን!’ ኢለ ኽጽውዕ እየ። 15 ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣላ፧+ ንተስፋይሲ መን ክርእየለይ ይኽእል፧ 16 ኵላትና ብሓደ ናብ ሓመድ ምስ ወረድና፡+ንሳ* ብተገዳም ናብ እተዓጽወ ኣፍ ደገ መቓብር* ክትወርድ እያ።” 30 “ሕጂ ግና ብዕድመ ኻባይ ዚንእሱይስሕቁኒ ኣለዉ፣+ንኣቦታቶም ምስቶም ንመጓሰይ ዚሕልዉ ኣኽላባትኪዀኑ እኳ ምኣበኽዎም። 2 ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ጠቒሙኒ፧ ሓይሎም ጠፊኡ እዩ። 3 ብስእነትን ብጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፣ዝዓነወን ዝባደመንኣጻምእ ይሓይኩ። 4 ተኽሊ ጨው ካብ ቈጥቋጣት ይእክቡ፣ምግቦም ሱር ቈጥቋጥ ሮተም እዩ። 5 ካብ ሕብረተ ሰብ ይስጐጉ፣+ሰባት ከም ንሰራቒ ገይሮም ይጭድሩሎም። 6 ኣብ ኣጻድፍ ስንጭሮታት፡*ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኣኻውሕን ይነብሩ። 7 ካብ ቈጥቋጣት ይጭድሩ፣ኣብ መንጎ ኣምዐ እጕድጕድ ይብሉ። 8 ደቂ ዓያሹን ስም ኣልቦን ብምዃኖም፡ካብታ ምድሪ ተሰጒጎም* ኣለዉ። 9 ሕጂ ግና መድረፊኦም ኰይነ፣+መመሰሊኦም* እውን ገይሮምኒ።+ 10 ይፍንፍኑኒ፡ ካባይ ከኣ ይርሕቑ፣+ኣብ ገጸይ ጡፍ ካብ ምባል ድሕር ኣይብሉን።+ 11 ኣምላኽ ዕጥቀይ ስለ ዘፍትሓንን* ስለ ዘዋረደንን፡ኣብ ቅድመይ ቀይዲ በተኽ ይዀኑ።* 12 ኣብ የማነይ ከም ጭፍራ ይትንስኡ፣የህድሙኒ፡ዕንቅፋት ጥፍኣት ድማ ኣብ መገደይ ይገብሩ። 13 ንመገደይ የፍርስዋ፣ደው ዜብሎም* ዘይብሎም ከኣ፡ንመዓተይ የግድድዎ።+ 14 ከም ብገፊሕ ፍሩስ መንደቕ ይመጹ፣ኣብ ማእከል ጥፍኣት የንከራርዉ። 15 ሽበራ ይውሕጠኒ፣ክብረይ ከም ንፋስ ይበርር፣ድሕነተይ ድማ ከም ደበና ይሽረብ። 16 ሕጂ ኸኣ ህይወተይ* ካብ ውሽጠይ ትቕህም ኣላ፣+መዓልትታት ጸበባ+ ድማ ሒዘናኒ ኣለዋ። 17 ብለይቲ፡ ቃንዛ ንኣዕጽምተይ ይወግኦ፣*+ዚቐራጥመኒ ስቓይ ከኣ ኣይዓርፍን።+ 18 ብዓብዪ ሓይሊ ኽዳነይ ተበላሽዩ፣*ከም ክሳድ ክዳነይ ይሓንቀኒ። 19 ኣምላኽ ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፣ከም ሓመድን ሓምዅሽትን ኰይነ። 20 ናባኻ አእዊ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ኣይትምልሰለይን፣+ደው ኢለ ኣለኹ፣ ግናኸ፡ ትጥምተኒ ጥራይ ኣለኻ። 21 ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፣+ብምሉእ ሓይሊ ኢድካ ኣጥቂዕካኒ። 22 ኣልዒልካ ብንፋስ ትወስደኒ፣ኣብ ህቦብላ ኸኣ ትድርብየኒ።* 23 ናብቲ ዅሉ ህያው ዚራኸበሉ፡ናብ ሞት ከም እተውርደንስ እፈልጥ እየ። 24 ስቡር ሰብ* ብግዜ መዓት ኬእዊ ኸሎ፡ሓደ እኳ ኣይወቕዖን እዩ።+ 25 ጽንኩር ግዜ ንዘጓነፎምዶ* ኣይበኸኹሎምን፧ ንድኻታትዶኸ ኣይሓዘንኩሎምን፧*+ 26 ጽቡቕ እኳ ተስፋ እንተ ገበርኩ፡ ሕማቕ መጺኡ፣ብርሃን እኳ እንተ ተጸበኹ፡ ጸልማት መጺኡ። 27 ኣምዑተይ ካብ ምሕቋን ኣይዓረፈን፣መዓልትታት ጸበባይ ድማ ተጓኒፈናኒ። 28 ጕህየ እመላለስ ኣለኹ፡+ ብርሃን ጸሓይ የልቦን፣ኣብ ኣኼባ ተንሲአ አእዊ ኣለኹ። 29 ንወኻሩ* ሓወን፡ንደቂ ሰገን ከኣ ብጻየን ኰይነ።+ 30 ቈርበተይ ጸሊሙ፡ ካባይ እውን ተቐሊጡ፣+ኣዕጽምተይ ብዋዒ* ሓሪሩ። 31 መሰንቆይ* ንሓዘን፡ሻምብቆይ* ድማ ንደሃይ ብኽያት ጥራይ ኰይኑ። 35 ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ቅኑዕ ምዃንካ ኽሳዕ ክንደይ ስለ እተኣማመንካ ኢኻ‘ካብ ኣምላኽ እጸድቕ እየ’ እትብል፧+ 3 ከመይሲ፡ ‘እዚ እንታይ ይግድሰካ፧* ካብቲ እንተ ዝሓጥእ ዝረኽቦዶ ዚሓይሽ እረክብ እየ፧’ ትብል ኢኻ።+ 4 ኣነ ኽምልሰልካ፡ምሳኻ እውን ንብጾትካ።+ 5 ናብ ሰማይ ጠምት እሞ ርአ፣ነቲ ኻባኻ ልዒሉ ዘሎ ደበናታት ተዓዘብ።+ 6 እንተ ሓጢእካስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ እትጐድኦ፧+ ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ፡ እንታይ ኢኻ እትገብሮ፧+ 7 ጻድቕ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ እትህቦ፧ ካባኻስ እንታይ እዩ ዚቕበል፧+ 8 እከይካ ንኸምዚ ኸማኻ ሰብ ጥራይ እዩ ዚጸሉ፣ጽድቅኻ ኸኣ ንወዲ ሰብ። 9 ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጭቈና ሰባት ይምህለሉ፣ካብ ዕብለላ* ሓያል ኪናገፉ ድማ የእውዩ።+ 10 ግናኸ፡ ሓደ እኳ፡ ‘እቲ ለይቲ ኸም ዚዝመር ዚገብር+ኣምላኽ፡ እቲ ዓብዪ ገባርየይ፡ ኣበይ ኣሎ፧’ ኣይብልን።+ 11 ንሱ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ+ ይምህረና፣+ካብ ኣዕዋፍ ሰማያት እውን ኣብሊጹ የጥብበና። 12 ሰባት የእውዩ፣ንሱ ግና ብሰንኪ ትዕቢት እኩያት ኣይምልሰሎምን።+ 13 ኣምላኽሲ ብርግጽ ባዶ ኣውያት* ኣይሰምዕን፡+እቲ ዅሉ ዚኽእል እውን ኣየቕልብን እዩ። 14 ከም ዘይትርእዮ ምስ ጠራዕካ ደኣ ዝገደደ ደይከውንን!+ ጕዳይካ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፣ ስለዚ፡ ብሃንቀውታ ተጸበዮ።+ 15 ንሱስ ብቝጥዓ ኣይጸባጸብን፣ንብዝሒ ታህዋኽካ ድማ ኣየስተውዕሎን።+ 16 እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ ኣሎ።”+ 31 “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታትየ እየ።+ ከመይ ኢለ እሞ ንድንግል ዘይግቡእ ቈላሕታ ኽገብረላ፧+ 2 ሽዑስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣምላኽ ግደይ እንታይ ምዀነ፧ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዅሉ ዚኽእልከ ርስተይ እንታይ ምዀነ፧ 3 ንገባር ክፉእሲ ጥፍኣት፡ጕድኣት ንዚገብሩ ኸኣ መዓት ደይኰነን ዚጽበዮም፧+ 4 ንሱስ ንመገድታተይ ኣይርእዮንዶ፧+ ንዅሉ ስጕምትታተይከ ኣይቈጽሮንዶ፧ 5 ብሓሶትዶ* ተመላሊሰ እፈልጥ እየ፧ እግረይከ ናብ ምትላልዶ ቐልጢፋ እያ፧+ 6 ኣምላኽ ኣብ ልክዕ ሚዛን ይምዘነኒ፣+ሽዑ ንጽህናይ ኪፈልጥ እዩ።+ 7 ስጕምትታተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለን፡+ልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ እንተ ስዒቡ፡+ኣእዳወይ ረኺሰን እንተ ዀይነን፡ 8 ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮ፡+እቲ ዝተኸልክዎ* እውን ይምሖ። 9 ልበይ ብሰበይቲ ተሓቢሉ እንተ ዀይኑ፡+ኣብ ኣፍ ደገ ብጻየይ ተጸናትየ እንተ ዀይነ፡+ 10 ሰበይተይ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሓን፣ካልኦት ሰብኡት ድማ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ይግበሩ።*+ 11 እዝስ ዜሕፍር ምዀነ፣ብፈራዶ ዜቕጽዕ ስሕተት ከኣ ምዀነ።+ 12 ሰራውር ኵሉ ፍርያተይ እኳ ዚውድእ፡*ዚበልዕን ዜጥፍእን* ሓዊ ምዀነ።+ 13 ግዙአይ ወይ ግዝእተይ ብኣይ ምስ ኣማረሩ፡*ፍትሒ ኸሊአዮም እንተ ዀይነስ፡ 14 ኣምላኽ ምስ ሓተተኒ* ደኣ እንታይ ክገብር እየ፧ ምስ ተጸባጸበኒኸ እንታይ ኢለ ኽምልሰሉ እየ፧+ 15 እቲ ንዓይ ኣብ ማሕጸን ዝገበረስ ንዓታቶምዶ ኣይገበረን፧+ እቲ ኸይተወለድና* ዝደኰነናስ ሓደ ደይኰነን፧+ 16 ንድኻታት ዚምነይዎ ኸሊአዮም እንተ ዀይነ፡+ኣዒንቲ መበለት ከኣ ኣጕህየ* እንተ ዀይነ፡+ 17 ዚብጽሓኒ ምግቢ በይነይ በሊዐ እንተ ዀይነ፡ንዘኽታም* እውን ካብኡ እንተ ዘይመቒለዮ፡+ 18 (ዘኽታምሲ* ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ከም ምስ ኣቦ ምሳይ እዩ ዓብዩ፣ካብ ቍልዕነተይ* ኣትሒዘ ኸኣ፡ ንመበለት* እመርሓ ነይረ እየ።) 19 ሓደ እኳ ሰኣን ክዳን ኪጠፍእ፡ወይ ድኻ ብዘይ ዚኽደኖ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡+ 20 ንሱ* ብጸምሪ ኣባጊዐይ ምስ ሞቐ፡እንተ ዘይመሪቑኒ፣+ 21 ዘኽታም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ+ ሓገዘይ ምስ ደለየ፡ኢደይ ኣወጣዊጠሉ እንተ ዀይነ፡*+ 22 ኢደይ* ካብ መንኵበይ ትምለቝ፣ቅልጽመይ ከኣ ኣብ ኵርናዕ ኢደይ* ይሰበር። 23 ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መዓትሲ ኣርዒዱኒ፣ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ድማ ክቐውም ኣይከኣልኩን። 24 እምንቶይ ኣብ ወርቂ እንተ ገይረ፡ንጽሩይ ወርቂ፡ ‘ውሕስነተይ ኢኻ!’ እንተ ኢለዮ፡+ 25 ብዙሕ ጥሪት ስለ ዘጥረኹ፡+ብብዝሒ ሃብተይ ተሓጒሰ እንተ ዀይነ፡+ 26 ድምቀት ጸሓይ፡*ወይ ግርማ ምንቅስቓስ ወርሒ ርእየ እንተ ዀይነ፡+ 27 ልበይ ከኣ ብሕቡእ እንተ ተሓቢሉ፡ኣፈይ ድማ ከተምልኸን ኢላ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡+ 28 በዚ ኸምዚ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ምኸሓድክዎ እሞ፡እዚ ብፈራዶ ዜቕጽዕ ስሕተት ምዀነ። 29 ብጥፍኣት ጸላእየይ ተሓጒሰ ድየ፧+ ክፉእ ምስ ወረዶኸ ባህ ኢሉኒ ድዩ፧ 30 እናረገምኩ ህይወቱ* ኽትጠፍእ ብምልማን፡ንኣፈይ ክትሓጥእ ኣይፈቐድኩላን።+ 31 ሰብ ድንኳነይ፡‘ብምግቡ* ዘይጸገበ መን ኪረክብ ይኽእል፧’ ኣይበሉን ድዮም፧+ 32 ኣብ ወጻኢ ዚሓድር ጋሻ* ኣይነበረን፣+ንተጓዓዛይ ማዕጾይ ከፊተ እየ። 33 ኣበሳይ ኣብ ሕሽኩል ክዳነይ ብምሕባእ፡ከም ካልኦት ጥሕሰተይ ክሽፍንዶ ፈቲነ እየ፧+ 34 ሰባት ከይብሉኒ ኢለዶ ፈሪሀ እየ፧ ብንዕቀት ካልእ ዓሌታት ተሸቢረኸስቕ ኢለን ናብ ወጻኢ ኸይወጽእ ፈሪሀን ድየ፧ 35 ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ መን ምሃበ!+ ኣብቲ ዝበልክዎ፡ ስመይ ምኸተምኩ ነይረ።* እቲ ዅሉ ዚኽእል ይመልሰለይ!+ እቲ ኸሳስየይ፡ ነቲ ኽስታት ኣብ ሰነድ እባ እንተ ዝጽሕፎ! 36 ሽዑ፡ ኣብ መንኵበይ ምጾርክዎ፣ከም ዘውዲ እውን ኣብ ርእሰይ ምኣሰርክዎ። 37 ንዅሉ ስጕምተይ ጸብጻብ ምሃብክዎ፣ከም መስፍን፡ ተኣማሚነ ምቐረብክዎ። 38 ምድረይ ብሰረይ እንተ ኣእውያ፡ነግሕታታ ኸኣ እንተ በኽዩ፡ 39 ከይከፈልኩስ ፍሪኣ በሊዐ እንተ ዀይነ፡+ንዋናታታ* ድማ ተስፋ ኣቕቢጸዮም እንተ ዀይነ፡+ 40 ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይሲ እሾዅ፡ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ጨናዊ ጻህያይ ተብቍለለይ።” ዘረባ እዮብ ኣብዚ ተወድአ። 18 ቢልዳድ+ እቲ ሹሓዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ዘረባ ዘይትውድኡ፧ ተረድኡ እሞ ድሕሪኡ ኽንዛረብ። 3 ስለምንታይ ኢና ኸም እንስሳ እተቘጸርና፡+ኣብ ኣዒንትኹም ከኣ ከም ዓያሹ* እተረኣና፧ 4 ብቝጥዓኻ ንርእስኻ* እኳ እንተ ሰላሊዕካያ፡ምድሪዶ ምእንታኻ ኽትሕደግ እያ፧ ወይስ ከውሒዶ ኻብ ቦታኡ ኺግዕዝ እዩ፧ 5 እወ፡ ብርሃን እኩይ ኪጠፍእ፡ሃልሃልታ ሓዉ እውን ኣይኪበርህን እዩ።+ 6 ኣብ ድንኳኑ ብርሃን ብርግጽ ኪጽልምት፡ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መብራህቲ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ። 7 ሓያል ስጕምትታቱ ይሓጽር፣ምኽሩ ድማ የውድቖ።+ 8 ኣእጋሩስ ናብ መርበብ ኪመርሖ፡ናብ ሰኪዐት ከኣ ኪኣቱ እዩ። 9 ብሸዀናኡ መጻወድያ ኺሕዞ፡መፈንጠራ እውን ቀርቀብ ኬብሎ እዩ።+ 10 ኣብ ምድሪ ገመድ ተሓቢኡሉ፡ኣብ መገዱ ድማ መጻወድያ ተጻዊዱሉ። 11 ሽበራ ብዅሉ ሸነኽ የፍርሆ፡+እግረ እግሩ ኸኣ ይስዕቦ። 12 ሓይሉ ይጠልሞ፣መዓት+ እውን ሰንከልከል የብሎ።* 13 ቈርበቱ ይብላዕ፣ዝኸፍአ ቐታሊ ሕማም* ድማ ንመሓውሩ ይበልዖ። 14 ካብ ዚተኣማመነሉ ድንኳኑ ይምንቈስ፡+ናብ ንጉስ ሽበራ* ይኸይድ። 15 ኣጋይሽ* ኣብ ድንኳኑ ይነብሩ፣ዲን ኣብ ቤቱ ይብተን።+ 16 ሰራውሩ ኣብ ትሕቲኡ ይነቅጽ፣ጨናፍሩ እውን ኣብ ልዕሊኡ ይጽምሉ። 17 ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፣ኣብ ጐደና ድማ ስሙ ኣይፍለጥን።* 18 ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ይድፋእ፣ካብ ፍርያም ምድሪ ኸኣ ይስጐጕ። 19 ኣብ መንጎ ህዝቡ ውሉዳትን ዘርእን ኣይህልዎን፣ኣብ መንበሪኡ* እውን ተረፍ ኣይሓድግን። 20 መዓልቱ ምስ መጸት፡ ሰብ ምዕራብ ኬስካሕክሑ እዮም፣ንሰብ ምብራቕ ድማ ራዕዲ ኺሕዞም እዩ። 21 ድንኳናት ገበርቲ ኽፉእ ከምኡ እዩ ዚኸውን፣ቦታ እቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ ከኣ እዚ እዩ ዜጋጥሞ።” 23 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ሎሚ እውን ብዛዕባ ዅነታተይ ደፊረ ኸማርር እየ፣*+ብምኽንያት እህህታይ ሓይለይ ተወዲኡ። 3 ኣየወ ንኣምላኽ ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ!+ ናብ መንበሪኡ ምኸድኩ።+ 4 ነገረይ ኣብ ቅድሚኡ መቕረብኩ፣ንኣፈይ ከኣ ብመጐተ ምመላእክዎ፣ 5 ከመይ ከም ዚምልሰለይ ምፈለጥኩ፣እንታይ ከም ዚብለኒ ድማ መስተብሃልኩ። 6 በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ምተባእሰኒ፧ ኣይፋል፡ ምሰምዓኒ እባ ደኣ።+ 7 ኣብኡ እቲ ቕኑዕ ምስኡ ነገሩ የቕንዕ፣ኣነ ኸኣ ብፈራድየይ ሓንሳእን ንሓዋሩን ናጻ ምዀንኩ። 8 ግናኸ፡ ናብ ምብራቕ እንተ ኸድኩ፡ ኣብኡ የሎን፣ምስ ተመለስኩ ድማ፡ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን፣ 9 ኣብ ጸጋም ምስ ዚሰርሕ፡ ክምልከቶ ኣይክእልን፣ናብ የማን ምስ ኣበለ እውን፡ ኣይርእዮን። 10 ንሱ ግና እታ ዝኸደላ መገዲ ይፈልጣ እዩ።+ ምስ ፈተነኒ፡ ከም ጽሩይ ወርቂ ዀይነ ኽወጽእ እየ።+ 11 ኣእጋረይ ኣስኣሰሩ ስዒበን፣ከየላገስኩ እውን መገዱ ሓልየ።+ 12 ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣየልገስኩን። ቃሉ ኸኣ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረለይ* ንላዕሊ ዓቚረዮ።+ 13 ምስ ቈረጸ፡ መን ኪጻረሮ ይኽእል፧+ ሓደ ነገር ኪገብር ምስ ደለየ፡* ይገብሮ።+ 14 ነቲ እተወሰነለይሲ* ኺፍጽሞ እዩ፣ብዙሕ ከምዚ ዝኣመሰለ ድማ ምስኡ ኣሎ። 15 ስለዚ እየ ብሰንኩ ዝጭነቕ ዘለኹ፣ብዛዕባኡ ኽሓስብ ከለኹ ኸኣ ፍርሀይ ይውስኽ ኣሎ። 16 ኣምላኽ ጃጃዊ ዝልቡ ገይሩኒ፣እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ ኣፍሪሁኒ ኣሎ። 17 ግናኸ፡ ብሰንኪ ጸልማት፡ብሰንኪ እቲ ገጸይ ዚሽፍን ድነ ስቕ ኣይበልኩን። 34 ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ኣቱም ጥበበኛታት፡ ዘረባይ ስምዑ፣ኣቱም ብዙሕ እትፈልጡ፡ ናባይ ጽን በሉ። 3 ከምቲ ልሳን* ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡እዝኒ ንቓላት ትፍትኖ እያ። 4 ቅኑዕ ዘበለ ባዕልና ንገምግም፣ጽቡቕ ዘበለ ኣብ መንጎና ንወስን። 5 እዮብሲ፡ ‘ኣነ ቕኑዕ እየ፣+ኣምላኽ ደኣ እዩ ፍትሒ ኸሊኡኒ።+ 6 ፍርደይ እንታይ ኪኸውን ከም ዚግባእዶ ምሓሰኹ፧ ኣበሳ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ’ ኢሉ ኣሎ።+ 7 ንባጫ ኸም ማይ ዚሰትዮ፡ከም እዮብ ዝበለ መን ኣሎ፧ 8 ምስ ገበርቲ ኽፉእ ይመሓዞ፣ምስ እኩያት ከኣ ይሓብር።+ 9 ከመይሲ፡ ‘ሰብ ንኣምላኽ ባህ ብምባል፡ኣይጥቀምን እዩ’ ኢሉ ኣሎ።+ 10 ስለዚ፡ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ* ስምዑኒ፣እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡+እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!+ 11 ንሱስ ንሰብ ከም ግብሩ ይፈድዮ፣+ሳዕቤናት መገድታቱ ድማ ኣብ ልዕሊኡ የምጽኣሉ። 12 ብርግጽ፡ ኣምላኽ እከይ ኣይገብርን፡+እቲ ዅሉ ዚኽእል እውን ፍትሒ ኣየቕንንን እዩ።+ 13 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሓላፍነት ዝሃቦ መን እዩ፧ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ዓለም ዝሸሞኸ መን እዩ፧ 14 ቈላሕታኡ* ኣባታቶም እንተ ገይሩ፡መንፈሶምን ትንፋሶምን ናብኡ እንተ ኣኪቡ፡+ 15 ኵሉ ሰብ* ብሓደ ምጠፍአ፣ሰብ ድማ ናብ ሓመድ ምተመልሰ።+ 16 ኣእምሮ እንተ ኣሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፣ናብቲ ዝብለካ ጽን በል። 17 ፍትሒ ዚጸልእዶ ኺቈጻጸር እዩ፧ ጻድቕ ንዝዀነ ሓያልሲ ምዀነንካዮዶ፧ 18 ንንጉስ፡ ‘ኣይትጠቅምን ኢኻ፡’ንልዑላን ድማ፡ ‘እኩያት ኢኹም’ ምበልካዮምዶ፧+ 19 ኵላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡+ንመሳፍንቲ ዘየዳሉ፡ንሃብታም ካብ ድኻ* ኣብሊጹ ዘይርኢ ኣሎ።+ 20 ፍርቂ ለይቲ+ ብሃንደበት ይሞቱ፣+የንቀጥቅጡን ይሓልፉን፣እቶም ሓያላት እኳ የልግሱ፡ ብኢድ ሰብ ግና ኣይኰነን።+ 21 ኣዒንቲ ኣምላኽሲ ኣብ መገድታት ሰብ እየን፣+ኵለን ስጕምትታቶም ከኣ ይርእየን እዩ። 22 ገበርቲ ኽፉእ ዚሕብኡሉጸልማት ወይ ብርቱዕ ጽላሎት የልቦን።+ 23 ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ንፍርዲ ኪቐርብሲ፡ኣምላኽ ምዱብ ግዜ ኣይወሰነሉን። 24 ኪምርምር ከየድለዮ ንሓያላት ይሰብሮም፣ኣብ ክንዳኦም ከኣ ካልኦት የቕውም።+ 25 ከመይሲ፡ ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ፣+ብለይቲ ይግልብጦም እሞ፡ ይጭፍለቑ።+ 26 ኵሉ ኺርእዮ ኣብ ዚኽእልብኽፍኣቶም ይወቕዖም፣+ 27 ንሳቶምሲ ኻብ ምስዓቡ ኣልጊሶም እዮም፣+ንመገድታቱ ድማ ግዲ የብሎምን፣+ 28 ኣውያት እቲ ረዳኢ ኣልቦ ምእንቲ ኺሰምዕሲ፡ንድኻ ናብኡ ኸም ዜእዊ ይገብርዎ።+ 29 ኣምላኽ ስቕ ምስ ዚብል፡ መን ኪዅንኖ ይኽእል፧ ገጹ ምስ ዚሓብእከ፡ መን ኪርእዮ ይኽእል፧ ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ፡ ውጽኢቱ ሕደ እዩ፣ 30 ኣምላኽ ዘይብሉ* ኸይገዝእ፡+ንህዝቢ እውን መፈንጠራ ኸይከውንሲ ኸምኡ ይገብር። 31 ንኣምላኽሲ ኸምዚ ዚብሎዶ ኣሎ፧ ‘ከይበደልኩ ተቐጺዐ፣+ 32 ክርእዮ ዘይከኣልኩ ምሃረኒ፣በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ፡ ኣይክደግምን እየ።’ 33 ፍርዱ ብምንጻግካስ፡ ዓስቢዶ ኺህበካ እዩ፧ ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ ወስን። ሃየ፡ ነቲ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ ንገረኒ። 34 ሰብ ኣእምሮ* ይብሉኒ፦ —ዚሰምዕ ዘበለ ጥበበኛ እውን፡— 35 ‘እዮብ ብዘይ ፍልጠት ይዛረብ፡+ቃላቱ ኸኣ ልቦና ይጐድሎ።’ 36 ምላሹ ኸም ናይ እኩያት ስለ ዝዀነ፡እዮብ እባ ኽሳዕ መወዳእታ እንተ ዚፍተን፣* 37 ንሓጢኣቱ ዕልወት ወሲኹሉ ኣሎ፣+ኣብ ቅድሜና ብባጫ ኣእዳዉ የጣቕዕ፡ኣንጻር እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ቃላቱ የብዝሕ ኣሎ።”+ 19 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ንነፍሰይ ከተበሳጭውዋ፡*+ብዘረባ እውን ክትሰባብሩኒ፧+ 3 እንሆ፡ ዓሰርተ ሳዕ ገኒሕኩምኒ፣*ክትገፍዑኒ ኸኣ ኣይሓፈርኩምን።+ 4 ብርግጽ ተጋግየ እንተ ዀይነ፡ጌጋይ ምሳይ እዩ ዚነብር። 5 ጸርፊ ኸም ዚግብኣኒ ጌርኩምብሓቂ እንተ ተዓቢኹምለይ ድማ፡ 6 እምበኣር፡ ኣምላኽ ከም ዘስሓተኒ ፍለጡ፡ብመርበብ ሃድን ከኣ ሒዙኒ። 7 እንሆ፡ ‘ዓመጻ!’ ኢለ እጠርዕ ኣለኹ፡ መልሲ ግና የልቦን፣+አእዊ ኣለኹ፡ ፍትሒ ግና የልቦን።+ 8 መገደይ ብመንደቕ ዓጊትዎ፡ ክሓልፍ ድማ ኣይከኣልኩን፣ንመገድታተይ ብጸልማት ሸፊንዎ።+ 9 ክብረይ ቀንጢጡኒ፡ንዘውደይ እውን ካብ ርእሰይ ኣልጊስዎ። 10 ክሳዕ ዝጠፍእ ብዅሉ ሸነኽ ይሰባብረኒ፣ንተስፋይ ከኣ ከም ኦም ይምሕዎ። 11 ቍጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ይነድድ፣ከም ጸላኢ ድማ ይርእየኒ።+ 12 ተዋጋእቱ ብሓደ መጺኦም ይኸብቡኒ፣ኣብ ዙርያ ድንኳነይ እውን ይሰፍሩ። 13 ንኣሕዋተይ ካባይ ኣርሒቕዎም፣እቶም ዚፈልጡኒ ኸኣ ካባይ ኣልጊሶም።+ 14 ናይ ቀረባ ኣዕሩኸይ* ከይዶም፣እቶም ኣጸቢቐ ዝፈልጦም ድማ ረሲዖምኒ።+ 15 ኣጋይሽ ቤተይን+ ኣንስትዮ ባሮተይን ከም ጋሻ ይቘጽሩኒ፣ኣብ ኣዒንቶም እውን ጓና እየ። 16 ንጊልያይ እጽውዖ፡ ግናኸ ኣይምልሰለይን፣ኪርሕርሓለይ ከኣ ብኣፈይ እልምኖ። 17 ሰበይተይ ንትንፋሰይ ፈንፊናቶ፣+ንኣሕዋተይ* ድማ ሕማቕ ጨና ዀይነ። 18 ቈልዑ እኳ ይንዕቁኒ፣ምስ ተንሳእኩ እውን የላግጹለይ። 19 ኵሎም ናይ ቀረባ ፈተውተይ ፈንፊኖምኒ፣+እቶም ዘፍቅሮም ከኣ ተገምጢሎምኒ።+ 20 ኣዕጽምተይ ምስ ቈርበተይን ስጋይን ተጣቢቑ፣+ብቘርበት ኣስናነይ ድማ አምልጥ ኣለኹ። 21 ኢድ ኣምላኽ ተንክያትኒ እያ እሞ፡+ኣቱም ብጾተይ፡ ምሓሩኒ፡ ምሓሩኒ። 22 ስለምንታይ ከምቲ ኣምላኽ ዚገብሮ እትሰጕጉኒ፡+ብዘይምቍራጽ እውን እተጥቅዑኒ፧*+ 23 ኣየ፡ ቃላተይ እንተ ዚጽሓፍ፡ኣብ መጽሓፍ ከኣ እንተ ዚውረቕ! 24 ብብርዒ ሓጺንን ብዓረርንኣብ ከውሒ ንዘለኣለም እንተ ዚቕረጽ! 25 ተበጃውየይ+ ህያው ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣ንሱ ደሓር ኪመጽእን ኣብ ልዕሊ ምድሪ* ኺትንስእን እዩ። 26 ቈርበተይ በዚ ኸምዚ ምስ ጠፍአ፡ገና ብስጋይ ከለኹ ንኣምላኸይ ክርእዮ እየ፣ 27 ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ኣዒንቲ ኻልእ ዘይኰናስ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ እየን።+ ብውሽጠይ ግና ከም እተሰነፍኩ ይስምዓኒ ኣሎ!* 28 ሱር እቲ ጸገም ምሳይ ካብ ሃለወስ፡ንስኻትኩም፡ ‘ብምንታይ ንሰጕጐካ ኣለና፧’ ትብሉ።+ 29 ሰይፍስ ንስሕተት ይቐጽዕ እዩ እሞ፡ንሰይፊ ፍርህዎ፣+ዳኛ ኸም ዘሎ እውን ፍለጡ።”+ 20 ሶፋር+ እቲ ናዓማዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “እናወጽ ስለ ዘለኹ፡ስለዚ እዩ ዚርብሽ ሓሳባተይ ክምልስ ዚድርኸኒ ዘሎ። 3 ዚጸርፈኒ መግናሕቲ ሰሚዐ ኣለኹ፣ኣእምሮይ* ከኣ ክምልስ ይድርኸኒ ኣሎ። 4 ሰብ* ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበረሉ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ እሞ፡+ነዚ መሸም ብርግጽ ኵሉ ሳዕ ትፈልጦ ኢኻ፣ 5 እልልታ እኩያትሲ ሓጺር እዩ፣ሓጐስ እቲ ኣምላኽ ዘይብሉ* ኸኣ ንቕጽበት እዩ።+ 6 ዕቤቱ ናብ ሰማይ እኳ እንተ ደየበ፡ርእሱ ድማ ናብ ደበና እኳ እንተ በጽሐ፡ 7 ከም ቀልቀሉ ንዘለኣለም ይጠፍእ፣እቶም ዚርእይዎ ዝነበሩ፡ ‘ኣበይ ኣሎ፧’ ይብሉ። 8 ከም ሕልሚ ይበርር እሞ፡ ኣይረኽብዎን፣ከም ራእይ ለይቲ እውን ይስጐጕ። 9 እታ ዝረኣየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮን፣ቦታኡ ኸኣ ደጊም ኣይጥምቶን።+ 10 ደቁ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፣ኣእዳዉ ድማ ንሃብቱ ይመልሶ።+ 11 ኣዕጽምቱ ብንእስነት ዝመልአ እዩ፣ግናኸ፡ ምስኡ* ኣብ ሓመድ በጥ ይብል። 12 ክፍኣት ኣብ ኣፉ እንተ መቂርዎ፡ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሓቢእዎ፡ 13 ኣብ ክንዲ ዚሓድጎ እንተ ኣስተማቒርዎ፡ኣብ ኣፉ እውን እንተ ዓቚርዎ፡ 14 ምግቡ ኣብ ከብዱ ይመጽጽ፡ኣብ ውሽጡ ኸም ሕንዚ* መንደላይ ተመን ይኸውን። 15 ሃብቲ ይውሕጥ፡ ግናኸ ይተፍኦ፣ኣምላኽ ንዕኡ ኻብ ከብዱ የውጽኦ። 16 ሕንዚ መንደላይ ተመን ይመጺ፣መንደፍ* ኣፍዑት ይቐትሎ። 17 ወሓይዝ ማያት፡ዚውሕዝ መዓርን ጠስምን ኣይርእን። 18 ንጥሪቱ ኸይበልዐ ይመልሶ፡*በቲ ብንግዱ ዝረኸቦ ሃብቲ ባህ ኣይብሎን።+ 19 ከመይሲ፡ ንድኻታት ጨፍሊቑን ጠንጢኑን እዩ፣ዘይሃነጾ ቤት ድማ መንዚዑ እዩ። 20 ግናኸ፡ ውሽጡ ሰላም ኣይስምዖን፣ብሃብቱ ኸኣ ኣየምልጥን። 21 ዚውሕጦ ገለ እኳ ኣይተርፎን፣ስለዚ እዩ ብልጽግናኡ ዘይጸንዕ። 22 ሃብቱ ምስ መልአ፡ ጭንቀት ይውሕጦ፣ምሉእ ሓይሊ ሽግር ይመጾ። 23 ከብዱ ኺመልእ ከሎ፡ኣምላኽ* ዚነድድ ቍጥዓኡ ይሰድደሉ፡ኣብ ልዕሊኡ፡ ኣብ ኣምዑቱ የዝንመሉ። 24 ካብ ኣጽዋር ሓጺን ምስ ዚሃድም፡ካብ ቀስቲ ነሓሲ፡ ፍላጻታት ይወግኦ። 25 ፍላጻ ኻብ ዝባኑ፡ዜብለጭልጭ መሳርያ ኻብ ሓሞቱ የውጽእ፡ሽበራ ኸኣ ይሕዞ።+ 26 ንመዛግብቱ ግብ ዝበለ ጸልማት ይጽበዮ፣ሓደ እኳ ዘየንበድበዶ ሓዊ ይበልዖ፣ነቲ ኣብ ድንኳኑ ዝተረፈ እውን መዓት ይጽበዮ። 27 ሰማይ ንስሕተቱ ይቐልዖ፣ምድሪ ድማ ኣንጻሩ ትትንስእ። 28 ውሒዝ ንቤቱ ይወስዳ፣በታ መዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ፡* ብርቱዕ ዝናም ይኸውን። 29 ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ግደ እኩይ፡እቲ ኣምላኽ ዝኣወጀሉ ርስቲ እዚ እዩ።” 3 ድሕርዚ፡ እዮብ ተዛረበ፡ ንመዓልቲ ልደቱ* እውን ረገማ።+ 2 እዮብ ከኣ ከምዚ በለ፦ 3 “እታ እተወለድኩላ መዓልቲ፡እታ፡ ‘ወዲ ተጠኒሱ!’ እተባህለላ ለይቲ ትጥፋእ።+ 4 እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን። ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ኣይገደሰላ፣ብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ። 5 ድቕድቕ ጸልማት* መሊሱ ይውሰዳ። ጸሊም ደበና ኣብ ልዕሊኣ ይኹን። ንመዓልቲ ዜጸልምት ዘበለ ድማ የሸብራ። 6 እታ ለይቲ እቲኣ፡ ጸልማት ይሓዛ፣+ምስተን መዓልትታት ዓመት ኣይትተሓጐስ፣ኣብ ቍጽሪ ኣዋርሕ ከኣ ኣይትእቶ። 7 እወ፡ እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፣ኣብኣ እውን እልልታ ኣይሰማዕ። 8 እቶም ንመዓልቲ ዚረግሙ፡እቶም ንሌዋታን* ኬንቅሑ ዚኽእሉ ይርገምዋ።+ 9 ከዋኽብቲ ዋግዋጎኣ ይጸልምቱ፣ብኸንቱ ብርሃን ትጸበ፣ባና ወጋሕታ ድማ ኣይትርአ። 10 ከመይሲ፡ መዓጹ ማሕጸን ኣደይ ኣይዓጸወትን፣+ካብ ኣዒንተይ እውን ሽግር ኣይከወለትን። 11 ስለምንታይ ክውለድ ከለኹ ዘይሞትኩ፧ ስለምንታይከ ኻብ ማሕጸን ምስ ወጻእኩ ዘይጠፋእኩ፧+ 12 ስለምንታይከ ዚቕበላኒ ኣብራኽንዝጠብወን ኣጥባትን ተረኽባ፧ 13 ሕጅስ ከይተረበሽኩ በጥ ምበልኩ፡+ደቂሰ ኸኣ መዕረፍኩ ነይረ፣+ 14 ምስ ነገስታት ምድርን ኣማኸርቶምን፡ምስቶም ሕጂ ዑናታት ዝዀነ ቦታታት ንርእሶም ዝሃነጹ፡* 15 ወይ ምስቶም ወርቂ ዘጥረዩ መሳፍንቲ፡ምስቶም ኣባይቶም ብብሩር ዝመልኡ መዕረፍኩ ነይረ። 16 ወይስ ስለምንታይ ከምቲ ብሕቡእ ዝኸደ ጥንሲ፡ከምቶም ብርሃን ዘይረኣዩ ሕጻናት ዘይኰንኩ፧ 17 ኣብኡስ እቶም እኩያት እኳ ኻብ ነውጺ የዕርፉ፣ኣብኡ ኸኣ እቶም ዝደኸሙ ዓሪፎም ኣለዉ።+ 18 ኣብኡስ እቶም እሱራት ብሓባር ሃዲኦም ኣለዉ፣ድምጺ እቲ ዜዕይዮም ድማ ኣይሰምዑን እዮም። 19 ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፣+ባርያ እውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ። 20 ስለምንታይ እዩ ነቲ መከረኛ ብርሃን፡ነቶም ኣብ መሪር ጭንቂ ዘለዉ* ድማ ህይወት ዚህቦም፧+ 21 ንሞት እናተመነይዎ፡ ዘይረኽብዎ ስለምንታይ እዮም፧+ ካብ ሕቡእ መዛግብቲ ኣብሊጾም፡ እናዀዓቱ ይደልይዎ፣ 22 ንሳቶም መቓብር ምስ ረኸቡ ባህ ይብሎም፡ኣዝዮም እውን ይሕጐሱ። 23 መገዱ ንዝጠፍኦ ሰብ፡ኣምላኽ ብሓጹር ንዝኸበቦስ ስለምንታይ ብርሃን ይህቦ፧+ 24 ኣብ ክንዲ ምግበይ፡ እህህታይ ይመጽእ፡+ቍዝማይ+ ከኣ ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ። 25 ከመይሲ፡ እቲ ዜርዕደኒ ዝነበረ ነገር መጺኡኒ፡እቲ ዝፈራህክዎ ድማ ወሪዱኒ ኣሎ። 26 ሽግር ደኣ ይመጸኒ ኣሎ እምበር፡ሰላም ኰነ፡ ህድኣት ኰነ፡ ወይ ዕረፍቲ የብለይን።” 24 “ስለምንታይ እዩ እቲ ዅሉ ዚኽእል ግዜ ዘይውስን፧+ ስለምንታይከ እዮም እቶም ዚፈልጥዎ ንመዓልቱ* ዘይርእይዋ፧ 2 ሰባት ምልክት ዶብ የግዕዙ፣+መጓሰኦም ኪዀና መጓሰ ይዝርፉ። 3 ኣድጊ ዘኽታማት* ይወስዱ፣ብዕራይ መበለት ከኣ ትሕጃ ገይሮም ይሕዙ።+ 4 ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፣እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ረዳኢ ዘይብሎም ድማ ካባታቶም ይሕብኡ።+ 5 ድኻታት ከም ኣድጊ በረኻ+ ኣብ በረኻ ምግቢ ይምእርሩ፣ኣብ ምድረ በዳ እውን ንደቆም ምግቢ ይደልዩ። 6 ካብ ግራት ካልእ ይእክቡ፣*ካብ ኣታኽልቲ ወይኒ እኩይ ከኣ ይቕርሙ። 7 ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሓድሩ፣+ኣብቲ ቝሪ ዚኽደንዎ የብሎምን። 8 ብብርቱዕ ዝናም ኣኽራን ይጥስጥሱ፣መዕቀሊ ስኢኖም ድማ ናብ ኣኻውሕ ይለግቡ። 9 ዘኽታም ካብ ጡብ ኣዲኡ ይምንዛዕ፣+ክዳውንቲ ድኻ እውን ትሕጃ ዀይኑ ይውሰድ።+ 10 ብዘይ ክዳን ጥራዮም ኪኸዱ ይግደዱ፣ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ። 11 መዓልቲ ምስ ደሃረ ኣብ መንጎ ዛላታት ይጽዕሩ፣*ኣብ መጽመቝ ወይኒ እናረገጹስ ይጸምኡ።+ 12 እቶም ዚሞቱ ኣብ ከተማ ይቝዝሙ፣እቶም ብኸቢድ ዝቘሰሉ* ኸኣ የእውዩ፣+ኣምላኽ ግና ነዚ ኸም ዘይግቡእ ገይሩ ኣይርእዮን።* 13 ካብ ብርሃን ዝዓለዉ ኣለዉ፣+ንሳቶም ንመገድታቱ ኣይፈልጥዎን፣ንጐደናታቱ እውን ኣይስዕብዎን። 14 እቲ ቐታል ነፍሲ ወጋሕታ ይትንስእ፣ንረዳኢ ኣልቦን ንድኻን ከኣ ይቐትል፣+ለይቲ ድማ ናብ ስርቂ ይወፍር። 15 ዓይኒ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበ፣+‘ዋላ ሓደ ኣይርእየንን!’ ይብል፡+ገጹ እውን ይጕልበብ። 16 ብጸልማት ናብ ኣባይቲ ይኣትዉ፣*ብመዓልቲ ተዓጽዮም ይውዕሉ። ንብርሃን ኣይፈልጥዎን።+ 17 ንግሆስ ንዓታቶም ከም ድቕድቕ ጸልማት እዩ፣ምስ ሽበራ ድቕድቕ ጸልማት ከኣ ይፋለጡ እዮም። 18 ግናኸ፡ ማያት ብፍጥነት ይወስዶም።* ግራቶም ርግምቲ ትኸውን።+ ናብ ኣታኽልቲ ወይኖም ኣይምለሱን። 19 ከምቲ ደርቅን ሃሩርን ንዝሓቐቐ ውርጪ ዚወስዶ፡መቓብር* ነዞም ዝሓጥኡ ይወስዶም!+ 20 ኣዲኡ* ትርስዖ፡ ሽሻይ ሓሳኹ ይኸውን። ደጊም እውን ኣይዝከርን።+ ዓመጻ ድማ ከም ኦም ይስበር። 21 ንመኻን ይብለጸላ፣ንመበለት ከኣ ይገፍዓ። 22 ኣምላኽ* ንሓያላት ብሓይሉ የጥፍኦም፣እንተ ተንስኡ እኳ፡ ንህይወቶም ውሕስነት የብሎምን። 23 ኣምላኽ፡* ኪተኣማመኑን ኪቐስኑን ይሓድጎም፣+ኣዒንቱ ግና ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብርዎ* እየን።+ 24 ንቝሩብ ግዜ ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪኡ ግና ኣይህልዉን።+ ይዋረዱ፡+ ከም ኵሉ ድማ ይእከቡ፣ከም ጉምቦ ሰዊት ይምንቈሱ። 25 ሕጂኸ ኸም ዝሓሶኹ ገይሩ ኼረጋግጽ፡ወይ ቃለይ ጌጋ ምዃኑ ኺረትዓኒ ዚኽእል መን እዩ፧” 32 እዮብ ጻድቕ ምዃኑ ኣሚኑ ስለ ዝነበረ፡*+ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃቡ ሓደጉ። 2 ኤሊሁ ወዲ ባርኪኤል እቲ ቡዛዊ+ ኻብ ዓሌት ራም ግና፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ንእዮብ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ፡ ንርእሱ* ስለ ዘጽደቓ፡ ኣዝዩ ተቘጥዖ።+ 3 ነቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ እውን፡ ንኣምላኽ ደኣ ኸም እኩይ ገበርዎ እምበር፡ ምላሽ ብዘይምርካቦም፡ ኣዝዩ ተቘጥዖም።+ 4 ብዕድመ ይዓብይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ኪምልሰሉ ይጽበ ነበረ።+ 5 ኤሊሁ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ከም ዘይብሎም ምስ ረኣየ ግና፡ ቍጥዓኡ ነደደ። 6 ሽዑ፡ ኤሊሁ ወዲ ባርኪኤል እቲ ቡዛዊ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፦ “ኣነ ብዕድመ ንእሽቶ* እየ፣ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም።+ ስለዚ፡ ብኣኽብሮት ተቘጢበ፡+ዝፈልጦ እውን ክነግረኩም ኣይደፈርኩን። 7 ‘ዕድመ* ይዛረብ፡ብዝሒ ዓመታት ከኣ ጥበብ የፍልጥ’ ኢለ ሓሲበ ነይረ። 8 ግናኸ፡ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ፡ትንፋስ እቲ ዅሉ ዚኽእል እዩ ኣእምሮ ዚህብ።+ 9 ዕድመ* ጥራይ ጥበበኛ ኣይገብርን እዩ፣ቅኑዕ ዘበለ ዚርድኡ እውን ሽማግለታት ጥራይ ኣይኰኑን።+ 10 ስለዚ፡ ‘ስምዑኒ፡ኣነ እውን ዝፈልጦ ኽነግረኩም እየ’ ኢለ። 11 እንሆ፡ እትብልዎ ነገር ክትደልዩ ኸለኹም፡+ዘረባኹም እጽበ፡ሓሳብኩም ድማ እሰምዕ ነይረ።+ 12 ኣቕሊበልኩም፣ግናኸ፡ ካባኻትኩም ንእዮብ ኪረትዖ፡*ንመጐተኡ ኸኣ ኪምልሰሉ ዝኸኣለ የልቦን። 13 ስለዚ፡ ‘ጥበብ ረኺብና ኣለና፣ኣምላኽ እዩ ዚረትዖ እምበር፡ ሰብ ኣይኰነን’ ኣይትበሉ። 14 ንዓይ ኣይኰነን ተዛሪቡኒ እሞ፡ብመጐተኹም ኣይክምልሰሉን እየ። 15 ንሳቶምሲ ተዳሂሎም እዮም፣ ዚምልስዎ የብሎምን፡ዚብልዎ እውን የብሎምን። 16 ተጸብየዮም፣ ግናኸ፡ ኣይተዛረቡን፣ምላሽ ስኢኖም ደው ኢሎም ኣለዉ። 17 ስለዚ፡ ኣነ እውን ክምልስ፡ኣነ እውን ዝፈልጦ ኽነግረካ እየ፣ 18 ቃላትሲ መሊኡኒ እዩ፣ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ከኣ ይድርኸኒ ኣሎ። 19 ውሽጠይሲ መተንፍሶ ኸም ዘይብሉ ወይኒ፡ኪቕደድ ከም ዝቐረበ ሓድሽ ሓርቢ ወይኒ ዀይኑ ኣሎ።+ 20 ክዛረብ እሞ ኸተንፍስ፡ከናፍረይ ከፊተ ኽምልስ እየ። 21 ንሓደ እኳ ኣይከዳሉን እየ፣+ንገለ ሰብ እውን ኣይክሽሕጥን* እየ፣ 22 ሽሕጣንሲ ኣይፈልጥን እየ፣እንተ ዝፈልጥ፡ ገባርየይ ቀልጢፉ መጥፍኣኒ። 7 “ህይወት መዋቲ ሰብሲ ኣብ ምድሪ ኸም ግዴታዊ ሸቕሊ ደይኰነን፧ መዓልትታቱኸ ኸም መዓልትታት ዕሱብ ደይኰናን፧+ 2 ከም ባርያ፡ ጽላል ይናፍቕ፡ከም ዕሱብ ከኣ ዓስቡ ይጽበ።+ 3 ኣነ ድማ ከምኡ ንኣዋርሕ ከንቱነት ተመዲበ፣ለይትታት ጸበባ እውን ተቘጺረናለይ።+ 4 በጥ ምስ በልኩ፡ ‘መዓስ እየ ዝትንስእ፧’ እብል።+ ለይቲ ምስ ነውሐ ድማ፡ ክሳዕ ወጋሕታ ብዘይ ዕረፍቲ እገላበጥ። 5 ስጋይ ብሓሰኻን ብዕንኳር ርስሓትን ተሸፊኑ፣+ቈርበተይ ብቕራፍን ብምጕልን መሊኡ።+ 6 መዓልትታተይ ካብ መደርብዮ ኣላማይ ብዝያዳ ቐልጢፈን ይሓልፋ፣+ብዘይ ተስፋ ኸኣ ይውድኣ።+ 7 ህይወተይ ንፋስ ምዃኑ ዘክር፣+ኣዒንተይ እውን መሊሰን ሓጐስ* ኣይኪርእያን እየን። 8 እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፣ኣዒንትኻ ኺደልያኒ፡ ግናኸ ኣይክህሉን እየ።+ 9 ከምቲ ተበቲኑ ዚጠፍእ ደበና፡እቲ ናብ መቓብር* ዚወርድ ከኣ ከምኡ ተመሊሱ ኣይመጽእን።+ 10 ናብ ቤቱ መሊሱ ኣይምለስን፣ቦታኡ ድማ ደጊም ኣየለልዮን።+ 11 ስለዚ፡ ንኣፈይ ኣይክገትኦን እየ። ብጓሂ መንፈሰይ ክዛረብ፡ብመሪር ጭንቀይ* ከማርር እየ!+ 12 ሓላዊ እትገብረለይሲ፡ኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ እየ፧ 13 ‘መገምሰስየይ ኬጸናንዓኒ፡ዓራተይ ከኣ ጸበባይ ኬፍኵሰለይ እዩ’ ምስ ዝብል፡ 14 ሽዑ ብሕልምታት ተሸብረኒ፡ብራእያት ድማ ተፍርሃኒ፣ 15 ኣነስ* እንተ ተሓነቕኩ እመርጽ፡እወ፡ ካብዚ ሰብነተይ* እዝስ ሞት እሓሪ።+ 16 ንህይወት ፈንፊነያ እየ፣+ ብህይወት ክነብር ከኣ ኣይደልን እየ። መዓልትታተይ ከም ትንፋስ እየን እሞ፡ ሕደገኒ።+ 17 ንስኻ እትግደሰሉ፡ቈላሕታኻ እውን እትገብረሉስ፡* መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧+ 18 ንግሆ ንግሆ እትምርምሮ፡ኣብ ኵሉ ህሞት ድማ እትፍትኖ ስለምንታይ ኢኻ፧+ 19 ካባይዶ ናብ ካልእ ኣይትጥምትን ኢኻ፧ ጥፍጣፈይ ክሳዕ ዝውሕጥዶ ኣይትሓድገንን ኢኻ፧+ 20 ኣታ ተዓዛቢ ሰብ፡ እንተ ሓጢአስ፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ዝጐድኣካ፧+ ስለምንታይ ኢኻ ዕላማኻ ዝገበርካኒ፧ ጾርዶ ዀይነካ እየ፧ 21 ስለምንታይ ኢኻ ኣበሳይ ዘይትሓድገለይ፡ስሕተተይ እውን ይቕረ ዘይትብለለይ፧ ኣነስ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብ ሓመድ በጥ ክብል እየ፣+ክትደልየኒ ኢኻ፡ ግናኸ ኣይክህሉን እየ።” 12 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ብሓቂ ንስኻትኩም እትፈልጡ ሰባት ኢኹም፣*ጥበብ ከኣ ብዘይ ብኣኻትኩም ክትመውት እያ! 3 ግናኸ፡ ኣነ እውን ኣእምሮ* ኣሎኒ። ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ። ነዚ ዘይፈልጥ መን እዩ፧ 4 ኣነ ምላሽ ደልየ ናብ ኣምላኽ እተማህለልኩስ፡+ንብጾተይ መስሓቒ ዀይነ ኣለኹ።+ ጻድቕን መንቅብ ዘይብሉን ሰብሲ መስሓቒ ዀይኑ ኣሎ። 5 ቅሱን ንመዓት ይንዕቆ፣ነቶም ኣእጋሮም ሰንከልከል ዚብላ* ጥራይ ዚበጽሖም ይመስሎ። 6 ድንኳናት ከተርቲ ብሰላም ይነብር ኣሎ፣+እቶም ንኣምላኽ ዜቘጥዕዎ፡እቶም ኣምላኾም ኣብ ኣእዳዎም ዝሓዙ፡ ደሓን ረኺቦም ኣለዉ።+ 7 ግናኸ፡ በጃኻ ንእንስሳታት ሕተት እሞ፡ ኪምህሩኻ እዮም፣ንኣዕዋፍ ሰማያት እውን ጠይቕ እሞ፡ ኪነግራኻ እየን። 8 ወይስ ብዛዕባ ምድሪ ሕሰብ* እሞ፡ ክትምህረካ እያ፣ዓሳታት ባሕሪ እውን ኪነግሩኻ እዮም። 9 ካብዚኣቶም ኵሎምሲ፡ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበረቶ ዘይፈልጥ መን እዩ፧ 10 ህይወት* ኵሉ ህያውንመንፈስ* ኵሉ ሰብን* ኣብ ኢዱ እዩ።+ 11 ከምቲ ልሳን* ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡እዝኒዶ ንቓላት ኣይትፍትኖን እያ፧+ 12 ጥበብ ኣብ ሽማግለታት ዚርከብ፡+ኣእምሮ እውን ምስ ነዊሕ ዕድመ ዚመጽእ ደይኰነን፧ 13 ኣብኡ ጥበብን ሓይልን ኣሎ፣+ምኽርን ኣእምሮን ከኣ ኣለዎ።+ 14 ንሱ ምስ ዜፍርስ፡ ዳግም ኪህነጽ ኣይከኣልን፣+ንሱ ዝዓጸዎ፡ ኪኸፍቶ ዚኽእል የልቦን። 15 ንማያት ምስ ዚኽልክሎ፡ ኵሉ ይነጽፍ፣+ምስ ዚሰድዶ ድማ፡ ንምድሪ ይውሕጣ።+ 16 ኣብኡ ብርታዐን ግብራዊ ጥበብን ኣሎ፣+እቲ ዚስሕትን እቲ ዜስሕትን ናቱ እዮም፣ 17 ንሱ ንኣማኸርቲ ጥራይ እግሮም የኺዶም፣*ንፈራዶ እውን ዓያሹ ይገብሮም።+ 18 ንማእሰር ነገስታት ይፈትሖ፣+ኣብ ሕቘኦም ድማ ዕጣቕ የዕጥቖም። 19 ንኻህናት ጥራይ እግሮም የኺዶም፣+ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንዑ ኸኣ ይግልብጦም፣+ 20 ንእሙናት ኣማኸርቲ፡ ዘረባ የሕድጎም፣ንኣረገውቲ* ልብምናኦም የግድፎም፣ 21 ኣብ ልዕሊ ልዑላን ንዕቀት የፍስስ፣+ንሓያላት እውን ድኹማት ይገብሮም፣* 22 ካብ ጸልማት፡ መዓሙቝ ይቐልዕ፣+ንድቕድቕ ጸልማት ድማ ናብ ብርሃን የምጽኦ፣ 23 ኬጥፍኦም ኢሉ፡ ንኣህዛብ የዕብዮም፣ናብ ምርኮ ኺወስዶም ኢሉ ኸኣ፡ ንኣህዛብ የስፍሖም፣ 24 ንመራሕቲ ህዝቢ፡ ኣእምሮኦም* የሕድጎም፣መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ እውን ኰለል የብሎም።+ 25 ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፣+ከም ስኹራት ድማ ኰለል የብሎም።+ 1 ኣብ ምድሪ ዑጽ፡ እዮብ* ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ።+ ንሱ ንጹህን* ቅኑዕን ሰብኣይ ነበረ፣+ ንኣምላኽ ይፈርህን ካብ ክፉእ ይርሕቕን ነበረ።+ 2 ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ከኣ ተወልዱሉ። "3 ብዝሒ ማሉ ድማ፡ 7,000 በጊዕ፡ 3,000 ገመል፡ 500 ጽምዲ ብዕራይ፡ 500 ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበረ፣ ብዙሓት ገላዉ እውን ነበርዎ፣ ስለዚ፡ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝዓበየ ነበረ። " 4 እቶም ደቁ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ መመዓልቶም* ኣብ በቤቶም ድግስ ይገብሩ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ድማ፡ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን ይዕድምወን ነበሩ። 5 ብተኸታታሊ ድግስ ዚገብሩለን መዓልትታት መምስ ተወድኣ፡ እዮብ ንምቕዳሶም ይልእከሎም ነበረ። ንግሆ ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ፡ ምእንቲ ነፍሲ ወከፎም ዚሓርር መስዋእቲ የቕርብ ነበረ።+ ከመይሲ፡ እዮብ፡ “ምናልባት ደቀይ ሓጢኦምን ብልቦም ንኣምላኽ ረጊሞምን ይዀኑ” ይብል ነበረ። እዮብ ወትሩ ኸምኡ ይገብር ነበረ።+ 6 እታ ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ*+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቘሙላ መዓልቲ ኸኣ መጸት፣+ ሰይጣን+ እውን ኣብ መንጎኦም ኣተወ።+ 7 ሽዑ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ “ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ሰይጣን ድማ ንየሆዋ፡ “ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጺአ” ኢሉ መለሰሉ።+ 8 የሆዋ ኸኣ ንሰይጣን፡ “ንጊልያይ እዮብ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የልቦን። ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን* ቅኑዕን ሰብ እዩ”+ በሎ። 9 ሰይጣን ድማ ንየሆዋ፡ “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧+ 10 ንስኻ ኣብ ዙርያኡን ኣብ ዙርያ ቤቱን ኣብ ዙርያ ዘለዎ ዅሉንዶ ዜዕቍቦ ሓጹር ጌርካሉ የለኻን፧+ ንተግባር ኣእዳዉ ባሪኽካዮ፡+ ማሉ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ኣስፋሕፊሐን ኣለዋ። 11 ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ ንዘለዎ ዅሉ ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 12 ሽዑ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ “እንሆ፡ ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ* እዩ። ሓንትስ ኢድካ ኣንጻሩ ኣይትዘርግሕ!” በሎ። ሰይጣን ከኣ፡ ካብ ቅድሚ* የሆዋ ወጸ።+ 13 በታ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ዚበልዑላን ዚሰትዩላን ዝነበሩ መዓልቲ ድማ፡+ 14 ሓደ ልኡኽ ናብ እዮብ መጺኡ፡ “እቶም ኣብዑር ይሓርሱ፡ እተን ኣእዱግ ከኣ ኣብ ጥቓኦም ይበልዓ ነይረን፣ 15 ሽዑ፡ ሳባውያን ወሪሮም ወሲዶምወን፣ ነቶም ገላዉ ድማ ብሰይፊ ቐቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ኽነግረካ ዘምለጥኩ” በለ። 16 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ “ሓዊ ኣምላኽ* ካብ ሰማያት ወሪዱ ነተን ኣባጊዕን ነቶም ገላዉን ኣንዲድዎምን በሊዕዎምን! ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ኽነግረካ ዘምለጥኩ” በለ። 17 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ ድማ፡ ካልእ መጺኡ፡ “ከለዳውያን፡+ ሰለስተ ጭፍራ ዀይኖም ነተን ኣግማል ወሪሮም ወሲዶምወን፣ ነቶም ገላዉ ኸኣ ብሰይፊ ቐቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ኽነግረካ ዘምለጥኩ” በለ። 18 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ “ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነይሮም። 19 ብሃንደበት ብርቱዕ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት ብኣርባዕተ መኣዝና ወቒዕዋ፣ ንሳ ድማ ኣብቶም ደቂ ወዲቓ፣ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ኽነግረካ ዘምለጥኩ” በለ። 20 ሽዑ፡ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፡ ጸጕሪ ርእሱ ድማ ቈረጸ። ናብ ምድሪ ተደፊኡ ኸኣ ሰገደ፣ 21 ከምዚ ድማ በለ፦ “ጥራየይ እየ ኻብ ማሕጸን ኣደይ ወጺአ፡ጥራየይ ድማ ክምለስ እየ።+ የሆዋ ሂቡ፡+ የሆዋ ኸኣ ወሲዱ። ስም የሆዋ ይወደስ።” 22 በዚ ዅሉ፡ እዮብ ኣይሓጥአን፡ ንኣምላኽ እውን ከም ዝበደለ ገይሩ ኣይከሰሶን።* 36 ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ በለ፦ 2 “ምእንቲ ኣምላኽ ገና ዘረባ ኣሎኒ እሞ፡ክገልጽ ከለኹ ቝሩብ ተዓገሰኒ። 3 ብዛዕባ እቲ ዝፈልጦ ብሰፊሑ ኽዛረብ እየ፣ገባርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኽነግር እየ።+ 4 ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፣እቲ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ+ ኣብዚ ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ። 5 እወ፡ ኣምላኽ ሓያል እዩ፡+ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን እዩ፣ብሓይሊ ኣእምሮኡ* ዓብዪ እዩ፣ 6 ህይወት እኩይ ኣየድሕንን እዩ፣+ንውጹዕ ግና ፍትሒ ይህቦ።+ 7 ኣዒንቱ ኻብ ጻድቕ ኣየልዕልን፣+ምስ ነገስታት* ኣብ ዝፋን የቐምጦም እሞ፡+ ንዘለኣለም ልዕል ይብሉ። 8 ግናኸ፡ ብመቝሕ እንተ ተኣሲሮም፡ብኣግማድ ጸበባ ድማ እንተ ተታሒዞም፡ 9 ንሱ ንተግባሮም፡ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ኣበሳኦም ይገልጸሎም። 10 ኣእዛኖም ንመአረምታ ይኸፍት፣ካብ ክፉእ ግብሪ ኺምለሱ ኸኣ ይነግሮም።+ 11 እንተ ተኣዚዞምዎን እንተ ሰሚዖምዎን፡መዓልትታቶም ብብልጽግና፡ዓመታቶም እውን ብደስታ እናነበሩ ይፍጽሙ።+ 12 እንተ ዘይተኣዚዞም ግና፡ ብሰይፊ* ኺጠፍኡ፡+ብዘይ ፍልጠት እውን ኪሞቱ እዮም። 13 እቶም ብልቦም ኣምላኽ ዘይብሎም* ቂም ይሕዙ። ምስ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን። 14 ገና ብንእስነቶም ይሞቱ፣*+ህይወቶም ኣብ መንጎ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ የሕልፉ።*+ 15 ኣምላኽ* ግና ንውጹዓት ብግዜ ጸበባኦም የናግፎም፣ምስ ተጨቈኑ፡ ኣእዛኖም ይኸፍት። 16 ካብ ኣፍ ጭንቂ፡+ናብቲ ኻብ ቀይዲ ናጻ ዝዀነ ገፊሕ ቦታ ይስሕበካ፣+ኣብ መኣድኻ ኸኣ ንምጽንናዕ ዚኸውን ስቡሕ ምግቢ የቕርበልካ።+ 17 ፍርዲ ምስ ተዋህበን ፍትሒ ምስ ተደገፈን፡ሽዑ፡ በቲ ኣብ እኩይ ዚወርድ ፍርዲ ኽትዓግብ ኢኻ።+ 18 ግናኸ፡ ነድሪ ናብ ክፍኣት* ከይመርሓካ ተጠንቀቕ፣+ብዙሕ ጉቦ ኸኣ ኬስሕተካ ኣይትሕደግ። 19 ኣውያትካ ወይ ዜትዕብ ጻዕርኻዶኻብ ጭንቂ ኺሕልወካ ይኽእል እዩ፧+ 20 ነታ ሰባት ካብ ቦታኦም ዚጠፍኡላለይቲ ኣይትናፍቃ። 21 ካብ ጸበባስ ክፉእ ተግባር ሓሪኻናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ።+ 22 እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፣ከምኡ ዝበለ መምህር መን እዩ፧ 23 መገዱ ዝሓበሮ* መን እዩ፧+ ‘ጌጋ ኢኻ ጌርካ’ ዚብሎኸ መን እዩ፧+ 24 ነቲ ሰባት ዝዘመሩሉ ተግባሩ+ኸተዕብዮ ዘክር።+ 25 ኵሎም ሰባት ርእዮምዎ፣መዋቲ ሰብ ግና ካብ ርሑቕ ይጥምት። 26 እወ፡ ኣምላኽ ካብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ይዓቢ፣+ቍጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ምግንዛቡ ዘይከኣል* እዩ።+ 27 ነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕብ፣+ካብ ግመኡ ድማ ዝናም ይሰርብ። 28 ሽዑ፡ ንደበናታት የፍስሶ፣+ኣብ ልዕሊ ሰብ እውን የንጠብጥቦ። 29 ንቐጸላ ደበናታት፡ካብ ድንኳኑ* ንዚወጽእ ነጕዲ ኺርድኦ ዚኽእል ኣሎዶ፧+ 30 ንበርቁ* ኣብ ልዕሊኡ ኸመይ ከም ዚዝርግሖ ርአ፣+ንመዓሙቝ* ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ። 31 በዚ ኸምዚ ንህዝብታት ይዕንግሎም፣*ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ይህቦም።+ 32 ብኣእዳዉ ንበርቂ ይሽፍኖ፣ናብ ዕላማኡ ኸኣ ይመርሖ።+ 33 ነጕዱ ብዛዕባኡ ይነግር፣ማል እኳ መን* ይመጽእ ከም ዘሎ ይነግራ። 29 እዮብ ድማ መሊሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦* 2 “ኣብተን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ኣብተን ኣምላኽ ዚሕልወኒ ዝነበረ መዓልትታት እንተ ዝኸውን፡ 3 መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ኣብ ዝበርሃሉ፡ብብርሃኑ ኸኣ ንጸልማት ኣብ ዝሓልፈሉ፡+ 4 ጐበዝ ኣብ ዝነበርኩሉ፡*ዕርክነት ኣምላኽ ኣብ ድንኳነይ ኣብ ዝነበረሉ፡+ 5 እቲ ዅሉ ዚኽእል ምሳይ ኣብ ዝነበረሉ፡ደቀይ* ኣብ ዙርያይ ኣብ ዝነበሩሉ፡ 6 ስጕምትታተይ ብጠስሚ ይሕጸብ ኣብ ዝነበረሉ፡ኣኻውሕ ድማ ውሒዝ ዘይቲ የፍስሰለይ ኣብ ዝነበረሉ፡+ 7 ናብ ኣፍ ደገ ኸተማ እወጽእ ኣብ ዝነበርኩሉ፡+ኣብ ኣደባባይ እውን ኣብ መንበረይ እቕመጥ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን+ እንተ ዝኸውን መን ምሃበ! 8 ኣጕባዝ ርእዮምኒ ይእለዩ፡*ኣረገውቲ ተንሲኦም ደው ይብሉ ነይሮም።+ 9 መሳፍንቲ ኻብ ምዝራብ ይቝጠቡ፡ኢዶም ኣብ ኣፎም የንብሩ ነይሮም። 10 ድምጺ ምርኡያት ስቕ ይብል፡ልሳኖም ከኣ ምስ ትንሓጎም ይጣበቕ ነይሩ። 11 ብዛዕባይ ዝሰምዐ ዘበለ ጽቡቕ ይዛረበለይ፡ዝረኣዩኒ ድማ ይምስክሩለይ ነይሮም። 12 ከመይሲ፡ ንዜእዊ ድኻን+ንዘኽታምን* ረዳኢ ንዘይብሉን አናግፍ ነይረ።+ 13 ኪጠፍእ ኢሉ ዝነበረ ይምርቐኒ ነይሩ፣+ንልቢ መበለት እውን አሐጕሶ ነይረ።+ 14 ንጽድቂ ኸም ልብሲ እለብሳ ነይረ። ፍትሐይ፡ ወለል ከም ዚብል ክዳንን* ከም መጠምጠምያን ነይራ። 15 ንዕዉር ኣዒንቲ፡ንሓንካስ ድማ ኣእጋር ኰይነ ነይረ። 16 ንድኻታት ኣቦ ነይረ፣+ጕዳይ እቶም ዘይፈልጦም ከኣ እምርምር ነይረ።+ 17 ንምንጋጋ ገባር ክፉእ እሰብሮ፡+ንግዳዩ ድማ ካብ ኣስናኑ እምንጥሎ ነይረ። 18 ከምዚ ኸኣ እብል ነይረ፦ ‘ኣብ ቤተይ* ክመውት፡+መዓልትታተይ እውን ከም ሑጻ ኺበዝሓ እየን። 19 ሰራውረይ ናብ ማያት ኪዝርጋሕ፡ኣውሊ ድማ ኣብ ጨናፍረይ ኪሓድር እዩ። 20 ክብረይ ወትሩ ኺሕደስ፡ኣብ ኢደይ ዘላ ቐስተይ ከኣ ደጋጊማ ኽትውርውር እያ።’ 21 ሰባት ብሃንቀውታ ይሰምዑኒ፡ንምኽረይ ድማ ስቕ ኢሎም ይሰምዑ ነይሮም።+ 22 ምስ ተዛረብኩ፡ ዚውስኽዎ ዘረባ ኣይነበሮምን፣ቃላተይ ከኣ ኣብ ኣእዛኖም የንጠብጥብ ነይሩ። 23 ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡ከም ንዝናም ጽብሓት ከኣ ኣፎም ሃህ የብሉ ነይሮም።+ 24 ፍሽኽ ምስ በልክዎም፡ ኣይኣምኑን ነይሮም፣ብርሃን ገጸይ የጸናንዖም ነይሩ።* 25 ርእሶም ኰይነ መምርሒ እህቦም ነይረ፣ኣብ መንጎ ሰራዊቱ ኸም ዚቕመጥ ንጉስ፡+ንሕዙናት ከም ዜጸናንዕ ኰይነ እቕመጥ ነይረ።+ 28 “ንብሩር ዚዕደነሉ ቦታ፡ንወርቂ ኸኣ ዜጻርዩሉ ቦታ ኣለዎ፣+ 2 ሓጺን ካብ ምድሪ ይውሰድ፣ነሓሲ ድማ ካብ ኣኻውሕ መኺኹ ይወጽእ።*+ 3 ሰብ ንጸልማት ይስዕሮ፣ኣብ ድነን ጸልማትን ክሳዕ ዚክኣሎ ይምርምር፡ሓመድ ብረት* ድማ ይደሊ። 4 ኣብ እተረስዐ ቦታታት፡ ካብቲ ሰብ ዚመላለሰሉ ርሒቑ፡ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ርሒቑ፡ ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዅዕት፣ገሊኦም ሰባት ይወርዱ፡ ጠልጠል እውን ይብሉ። 5 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምግቢ ይበቍል፣ኣብ ታሕቲ ግና፡ ከም ብሓዊ፡ ህውከት ኣሎ።* 6 ኣብኡ እቲ ኣእማን፡ ሰፊሮስ እዩ፣እቲ ሓመድ ከኣ ወርቂ ኣለዎ። 7 ኣሞራ ነታ መገዲ ኣይፈልጣን፣ዓይኒ ሊሎ ድማ ኣይረኣየታን። 8 ግርማ ዘለዎም ኣራዊት ኣይረግጽዋን፣ዘይባጽሐ ኣንበሳ እውን ተጸናትዩ ኣይንቀሳቐሰላን። 9 ሰብ ብኢዱ ንኸውሒ ኣዝሒት ይወቕዖ፣ንኣኽራን ካብ መሰረቱ ይግልብጦ። 10 ኣብ ኣኻውሕ መትረብ+ ማይ ይነድል፣ኣዒንቱ ድማ ክቡር ዘበለ ይርእያ። 11 ንምንጪ ኣፍላግ ይዓብሶ፣ንሕቡእ ከኣ ናብ ብርሃን የውጽኦ። 12 ጥበብ ግና፡ ኣበይ እያ እትርከብ፧+ ምንጪ ኣእምሮኸ ኣበይ እዩ፧+ 13 ዋጋኣ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን፣+ኣብ ምድሪ ህያዋን እውን ኣይትርከብን። 14 መዓሙቝ ማያት፡ ‘ንሳ ኣባይ የላን!’ ይብል፣ባሕሪ ኸኣ፡ ‘ምሳይ የላን!’ ይብል።+ 15 ብጽሩይ ወርቂ ኣይትዕደግን፣ንምልዋጣ ድማ ብሩር ኣይምዘንን።+ 16 ብወርቂ ኦፊር ኰነ፡+ብኽቡር ኦኒክስን ብሰፊሮስን ኣይትዕደግን። 17 ወርቅን መረጼንን ኣይወዳደራን፣ብኣቕሓ ጽሩይ ወርቂ እውን ኣይትልወጥን።+ 18 ክቡር ዕንቍን* ክሪስታልን እሞ ኺጥቀስ እኳ ኣይግብኦን፣+ጥበብሲ ኻብ ከረጺት ምሉእ ሉላት ትበልጽ። 19 ናይ ኩሽ ቶጳዝዮን+ እኳ ኣይወዳደራን፣ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግን። 20 ጥበብ ግና ካበይ እያ እትመጽእ፧ ምንጪ ኣእምሮኸ ኣበይ እዩ፧+ 21 ካብ ኣዒንቲ ዅሎም ህያዋን ተሓቢኣ ኣላ፣+ካብ ኣዕዋፍ ሰማያት ከኣ ተሰዊራ ኣላ። 22 ጥፍኣትን ሞትን፡‘ኣእዛንና ወሪኣ ጥራይ እየን ሰሚዐን’ ይብሉ። 23 ኣምላኽ ግና እትርከበሉ መገዲ ይርድኦ፣ንሱ በይኑ ጥራይ ኣበይ ከም እትነብር ይፈልጥ።+ 24 ከመይሲ፡ ንሱ ንወሰናት ምድሪ ይምልከቶ፣ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ድማ ይርእዮ።+ 25 ሓይሊ* ንፋስ ኪውስን ከሎ፡+ንማያት ከኣ ኪሰፍሮ ኸሎ፡+ 26 ንዝናም ስርዓት ኪገብረሉ ኸሎ፡+ንነጐድጓዳዊ ደበና ድማ መገዲ ኺገብረሉ ኸሎ፡+ 27 ሽዑ፡ ንጥበብ ርእዩ ገለጻ፣ሰሪቱ እውን ፈተና። 28 ንሰብ ከኣ፡‘እንሆ፡ ፍርሃት የሆዋስ፡ ንሱ ጥበብ እዩ፣+ካብ ክፉእ ምርሓቕ ድማ ኣእምሮ እዩ’ በሎ።”+ 38 ሽዑ፡ የሆዋ ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦+ 2 “ንምኽረይ ዜጸልምቶ፡ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዚዛረብ እዚ መን እዩ፧+ 3 በጃኻ እስከ፡ ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣ኣነ ኽሓትተካ፡ ንስኻ እውን ኣፍልጠኒ። 4 ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸለኹ፡ ኣበይ ኔርካ፧+ ክትርድኦ ትኽእል እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ። 5 ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ መን እዩ ልክዓ ዝወሰነ፧ ወይ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐ መን እዩ፧ 6 እቲ መቘሚኣ ኣበይ ሰጢሙ፧ ወይ እምኒ መኣዝና ዝሰረተ መን እዩ፧+ 7 ሽዑ፡ ከዋኽብቲ ጽባሕ+ ብሓደ እልል ኢሎም፡ኵሎም ደቂ ኣምላኽ*+ ድማ ብናእዳ ጨዲሮም። 8 ባሕሪ ኻብ ከርሲ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡ብመዓጹ ዝዓገቶ መን እዩ፧+ 9 ሽዑ፡ ኣነ ብደበናታት ኣልቢሰዮ፣ብብርቱዕ ድነ ጠቕሊለዮ፣ 10 ወሰን ከኣ ኣቚመሉ፣ተገዳምን መዓጹን ድማ ገይረሉ።+ 11 ‘ክሳብ ኣብዚ ምጻእ፣ ካብዚ ግና ኣይትሕለፍ፣እቲ ዅሩዕ ማዕበላትካ ኣብዚ እዩ ደው ዚብል’ ኢለዮ።+ 12 ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡*ንወጋሕታ ድማ ቦታኡ ኣፍሊጥካዮዶ ትፈልጥ፧+ 13 እወ፡ ንወሰናት ምድሪ ምእንቲ ኺሕዞ፡እኩያት ከኣ ካብኣ ተነጊፎም ምእንቲ ኺወጹስ፡ ከምኡዶ ጌርካ፧+ 14 ንሳ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ከም ዘሎ ጭቃ ትልወጥ፣ገጻ ድማ ከም ናይ ክዳን ጐሊሑ ይርአ። 15 እኩያት ግና ብርሃኖም ይኽልኡ፣እታ እተላዕለት ቅልጽሞም ከኣ ትስበር። 16 ናብ ምንጭታት ባሕሪ ወሪድካ፡መዓሙቝ ማያት ድማ መርሚርካዶ ትፈልጥ፧+ 17 ኣፍ ደገታት ሞት+ ተቐሊዑልካዶ ይፈልጥ፧ ኣፍ ደገታት ድቕድቕ ጸልማትከ* ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+ 18 ንግፍሒ ምድሪኸ ተረዲእካዮዶ፧+ ነዚ ዅሉ ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ ንገረኒ። 19 ብርሃን ኣበየናይ ኣንፈት እዩ ዚነብር፧+ ቦታ ጸልማትከ ኣበይ እዩ፧ 20 ናብ ዓዱ ኽትወስዶ፡መገዲ ቤቱ ኸኣ ክትርዳእ ትኽእልዶ፧ 21 ሽዑ ያኢ ተወሊድካ ስለ ዝነበርካ፡ቍጽሪ ዓመታትካ* ድማ ብዙሕ ስለ ዝዀነስ፡ ነዚ ትፈልጦ ዲኻ፧ 22 ናብ ማዕከን ውርጪ ኣቲኻ፡+ማዕከን በረድከ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+ 23 ንሱ ንግዜ ጭንቂ፡ንመዓልቲ ዂናትን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።+ 24 ብርሃን* ካበየናይ ኣንፈት እዩ ዚዝርጋሕ፧ ንፋስ ምብራቕከ ኻበይ እዩ ኣብ ምድሪ ዚነፍስ፧+ 25 ንውሒዝ መትረብ ዝሰንጠቐሉ፡ነጐዳ ንዘለዎ ደበናኸ መገዲ ዝገበረሉ መን እዩ፧+ 26 በዚ ኸምዚ፡ ሰብ ኣብ ዘይነብረሉ፡ሰባት ኣብ ዘይብሉ በረኻ ይዘንም፣+ 27 ንዝባደመ ምድረ በዳ የርዊ፣ሳዕሪ ድማ የብቍል።+ 28 ንዝናምዶ ኣቦ ኣለዎ እዩ፧+ ወይስ ንኣውሊ ዚወልዶ መን እዩ፧+ 29 በረድሲ ኻብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧ ንኣስሓይታ ሰማይ ዚወልዶኸ መን እዩ፧+ 30 ብእኡ ማያት ከም ብእምኒ ይሽፈን፣ገጽ መዓሙቝ ማያት እውን ደስኪሉ ይግጎ።+ 31 ንኣግማድ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኪማ* ኽትኣስሮ፡ወይ ንማእሰር ጭፍራ ኸዋኽብቲ ከሲል* ክትፈትሖዶ ትኽእል፧+ 32 ንጭፍራ ኸዋኽብቲ* ብእዋኑ መሪሕካ ኸተውጽኦ፡ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ዓሽ* ምስ ደቁ ኽትመርሖዶ ትኽእል፧ 33 ንሰማያት ዜመሓድር ሕግታት ትፈልጦዶ፧+ ንስልጣኑ ኣብ ምድሪ ኸተተግብሮ ትኽእልዶ፧ 34 ብዙሕ ማይ ምእንቲ ኪኸድነካ፡ንደበናታት ድምጽኻ ኸተልዕለሎም ትኽእልዶ፧+ 35 ንበርቅታት ክትልእኮም ትኽእልዶ፧ መጺኦምከ፡ ‘እነና!’ ይብሉኻዶ፧ 36 ኣብ ውሽጢ ደበናታት* ጥበብ ዘንበረ መን እዩ፧+ ወይ ንተርእዮ ሰማይ* ኣእምሮ ዝሃቦ መን እዩ፧+ 37 ንደበናታት ኪቘጽሮም ጥበበ ዘለዎ መን እዩ፧ ንዓታሩ ሰማይ ዚግልብጦኸ መን እዩ፧+ 38 ሽዑ፡ ሓመድ ተበጽቢጹ ይረግእ፡ደናኵል ብሓደ ይጣበቕ። 39 ንኣንበሳ፡ ግዳይ ክትሃድነሉ፡ሸውሃት ሽደናት ኣናብስከ ኸተዕግብዶ ትኽእል፧+ 40 ንሳቶም ኣብ ሰፈሮም ይዅርመዩ፡ኣብ መሕብኢኦም ከኣ ኣድብዮም በጥ ይብሉ። 41 ጨቓዊት ኳዅ ናብ ኣምላኽ ኬእውዩ ኸለዉ፡ዚብላዕ ስኢኖም ኰለል ኪብሉ ኸለዉ፡ንኳዅ ምግቢ ዜዳልወሉ መን እዩ፧+ 8 ቢልዳድ+ እቲ ሹሓዊ+ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኸምዚ ኢልካ ኽትዛረብ፧+ ቃላት ኣፍካ ብርቱዕ ንፋስ ጥራይ እዩ! 3 ኣምላኽዶ ፍትሒ የቕንን እዩ፧ እቲ ዅሉ ዚኽእልከ ጽድቂዶ የቕንን እዩ፧ 4 ደቅኻ እንተ በዲሎምዎ፡ብሰሪ በደሎም ከም ዚቕጽዑ ይገብሮም፣* 5 ግናኸ፡ ንስኻ ንኣምላኽ እንተ ትደልዮ፡+ነቲ ዅሉ ዚኽእል ከኣ ሞገስ እንተ ትልምኖ፡ 6 ብሓቂ ድማ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ትኸውን፡+ንሱ መቕለበልካ፡*ናብ ግቡእ ቦታኻ እውን ምመለሰካ ነይሩ። 7 መጀመርታኻ ንእሽቶ እኳ እንተ ዀነ፡መጻኢኻ ዓብዪ ምዀነ።+ 8 በጃኻ፡ ነቶም ዝቐደሙ ወለዶ ሕተቶም፣ነቲ ኣቦታቶም ዝረኸብዎ ኸኣ ኣቕልበሉ።+ 9 ንሕናስ ትማሊ እተወለድናን ገለ ዘይንፈልጥን ኢና፣ኣብ ምድርስ መዓልትታትና ጽላሎት እየን። 10 ንሳቶም ግና ኪምህሩኻንዚፈልጥዎ ኺነግሩኻን ደይኰኑን፧* 11 ጳጲሮስዶ ረግረግ ኣብ ዘይብሉ ይዓቢ እዩ፧ ሻምብቆኸ ብዘይ ማይዶ ይበቍል እዩ፧ 12 ገና ኸይተመንቈሰ ጠጥዒ ኸሎ፡ቅድሚ ኻልእ ተኽሊ ይነቅጽ። 13 ውጽኢት* ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ኸምኡ እዩ፣ተስፋ እቲ ኣምላኽ ዘይብሉስ* ኪጠፍእ፡ 14 ተስፋ እቲ እምንቶኡ ኸንቱ ዝዀነንትውክልቱ ኸም ዓለባ* ሳሬት ዝዀነን ኪጠፍእ እዩ። 15 ንሱ ኣብ ቤቱ ይጽጋዕ፣ ግናኸ፡ ንሳ ኣይትቐውምን፣ኣጽኒዑ ኺሕዛ ይፍትን፣ ግናኸ፡ ኣይትጸንዕን። 16 ንሱ ኸም ርሑስ ተኽሊ ኣብ ብርሃን ጸሓይ እዩ፣ጨናፍሩ ድማ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ይዝርጋሕ።+ 17 ኣብ ኵምራ ኣእማን፡ ሰራውሩ ይጠናነግ፣ኣብ መንጎ እቲ ኣእማን ከኣ ቤት ይደሊ።* 18 ካብ ቦታኡ ምስ ተማሕወ* ግና፡እታ ቦታ እቲኣ፡ ‘ከቶ ኣይረኣኹኻን’ ኢላ ትኽሕዶ።+ 19 እወ፡ ከምኡ ኢሉ እዩ ዚጠፍእ፣*+ካልኦት ድማ ካብቲ ሓመድ ኪበቝሉ እዮም። 20 ብርግጽ፡ ኣምላኽ ነቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ* ኣይድርብዮምን እዩ፣ነቶም እኩያት ከኣ ኣይድግፎምን* እዩ፣ 21 ንኣፍካስ ሰሓቕ፡ንኸናፍርካ እውን እልልታ ኺመልኦ እዩ። 22 እቶም ዚጸልኡኻ ሕፍረት ኪለብሱ፡ድንኳን እኩያት ድማ ኣይኪህሉን እዩ።” 11 ሶፋር+ እቲ ናዓማዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “እዚ ዅሉ ቓላትዶ ኸይተመለሰ ኺተርፍ እዩ፧ ብዙሕ ዘረባዶኸ ንሰብ ቅኑዕ ይገብሮ እዩ፧* 3 ባዶ ዘረባዶ ንሰባት ስቕ ኬብሎም እዩ፧ ስለቲ ቓላት ላግጽኻዶኸ ዚገንሓካ የልቦን፧+ 4 ንስኻስ፡ ‘ትምህርተይ ንጹህ እዩ፣+ኣብ ኣዒንተይ እውን ንጹህ እየ’ ትብል ኣለኻ።+ 5 ግናኸ፡ ኣየ ኣምላኽ እንተ ዚዛረብ፡ከናፍሩ ድማ ናባኻ እንተ ዚኸፍት!+ 6 ግብራዊ ጥበብ ብዙሕ መዳይ ኣለዎ እሞ፡ሽዑ፡ ምስጢራት ጥበብ ምገለጸልካ። ኣምላኽ ንገሊኡ ስሕተትካ ኸም ዚርስዖ እውን ምፈለጥካ። 7 ንመዓሙቝ ኣምላኽዶ ኽትረኽቦ፡ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእልከ ንብምሉኡዶ ኽትረኽቦ* ትኽእል ኢኻ፧ 8 ካብ ሰማይ ይልዕል። እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ካብ መቓብር* ይዓምቝ። እንታይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ 9 ካብ ምድሪ ይነውሕ፡ካብ ባሕሪ እውን ይገፍሕ። 10 ንሱ እንተ ሓሊፉን ንሓደ እንተ ሒዙን መጋባእያ እንተ ኣኪቡን፡መን ኪጻረሮ ይኽእል፧ 11 ንሱስ ሰባት ኬታልሉ ኸለዉ ይፈልጥ እዩ። እከይ ክርኢ ኸሎኸ፡ ኣየስተብህልንዶ፧ 12 ባዶ ዝርእሱ ግና፡ኣድጊ በረኻ ንሰብ ምስ ወለደት* ጥራይ እዩ ዚርድኦ። 13 ኣየ ልብኻ እንተ ተዳሉ፡ኣእዳውካ ድማ ናብኡ እንተ ትዝርግሕ። 14 ኢድካ ትብድል እንተላ፡ ኣርሕቃ፣ኣብ ድንኳናትካ እውን ዓመጻ ኣይተስፍር። 15 ሽዑስ፡ ንገጽካ ብዘይ ጕድለት ከተልዕሎ፡ከይፈራህካ ኸኣ ጸኒዕካ ኽትቀውም ኢኻ። 16 ሽዑስ፡ ንሽግርካ ኽትርስዖ ኢኻ፣ውሒዙ ኸም ዝሓለፈ ማያት ጌርካ ኽትዝክሮ ኢኻ። 17 ህይወትካ ኻብ ቀትሪ ብዝያዳ ኽትበርህ እያ፣ጸልማታ እኳ ኸም ንግሆ ኪኸውን እዩ። 18 ተስፋ ስለ ዘሎ፡ ክትተኣማመን ኢኻ፣ኣብ ዙርያኻ ኽትጥምትን ብደሓን በጥ ክትብልን ኢኻ። 19 ዜፍርሃካ ዘይብልካ በጥ ክትብል ኢኻ፣ብዙሓት እውን ሞገስካ ኺደልዩ እዮም። 20 ኣዒንቲ እኩያት ግና ኪጠልማ እየን፣ዜምልጡሉ ቦታ ኸኣ ኣይኪረኽቡን እዮም፣ተስፋኦም ድማ ሞት* ጥራይ እዩ።”+ 2 ድሕርዚ፡ እታ ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ*+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቘሙላ መዓልቲ መጸት፣+ ሰይጣን እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐውም ኣብ መንጎኦም ኣተወ።+ 2 ሽዑ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ “ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ሰይጣን ድማ ንየሆዋ፡ “ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጺአ” ኢሉ መለሰሉ።+ 3 የሆዋ ኸኣ ንሰይጣን፡ “ንጊልያይ እዮብ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የልቦን። ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን* ቅኑዕን ሰብ እዩ።+ ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ* ኢልካ ኸተለዓዕለኒ እኳ እንተ ፈተንካ፡+ ብጽኑዕ ንጽህናኡ ይሕሉ ኣሎ”+ በሎ። 4 ሰይጣን ግና ንየሆዋ፡ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ* ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ። 5 ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ ንዓጽሙን ስጋኡን ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 6 ሽዑ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ “እንሆ፡ ንሱ ኣብ ኢድካ* እዩ። ሓንትስ ህይወቱ* ኸይተጥፍኣ ተጠንቀቕ!” በሎ። 7 ሰይጣን ከኣ፡ ካብ ቅድሚ* የሆዋ ወጺኡ፡ ንእዮብ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳብ መንበስበስታ ርእሱ ብዜሳቒ ምጕልንጭዋ* ወቕዖ።+ 8 እዮብ ድማ ምእንቲ ኺሓክከሉ ኢሉ ገልዒ ወሰደ፣ ኣብ ሓምዅሽቲ ኸኣ ተቐመጠ።+ 9 ሰበይቱ ኸኣ፡ “ገናዶ ብጽኑዕ ንጽህናኻ ትሕሉ ኣለኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ረጊምካ ሙት!” በለቶ። 10 ንሱ ግና፡ “ከም ዓያሹ ኣንስቲ ትዛረቢ ኣለኺ። ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጽቡቕ ጥራይ ተቐቢልናስ፡ ክፉእከ ኣይንቕበልንዶ፧” በላ።+ በዚ ዅሉ፡ እዮብ ብኸናፍሩ ኣይሓጥአን።+ 11 ሰለስተ ብጾት* እዮብ፡ ኤሊፋዝ+ እቲ ቴማናውን ቢልዳድ+ እቲ ሹሓውን+ ሶፋር+ እቲ ናዓማውን፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝወረዶ መዓት ሰሚዖም፡ ካብ በቦታኦም ናብኡ መጹ። ከይዶም ምስ እዮብ ኪሓዝኑን ኬጸናንዕዎን ድማ ብሓደ ኺራኸቡ ተቛጸሩ። 12 ካብ ርሑቕ ምስ ረኣይዎ፡ ኣየለለይዎን። ዓው ኢሎም ከኣ በኸዩ፡ ክዳውንቶም እውን ቀደዱ፡ ሓመድ ድማ ናብ ሰማይ ኣቢሎም ናብ ኣራእሶም በተኑ።+ 13 ሸውዓተ መዓልትን ሸውዓተ ለይትን ከኣ ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ። ቃንዛ ኣዝዩ በርቲዕዎ ስለ ዝረኣዩ ድማ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።+ 26 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ሓጊዝካዮ! ነቲ ብርታዐ ዘይብሉ ቕልጽምሲ ኸመይ ኣድሒንካዮ!+ 3 ነቲ ጥበብ ዝሰኣነስ ከመይ ዝበለ ምኽሪ ሂብካዮ!+ ግብራዊ ጥበብካስ* ከመይ ብናጻ* ገሊጽካሉ! 4 ንመን ኢኻ ኽትዛረቦ እትፍትን ዘለኻ፧ ከምዚ ኽትብል ዘለዓዓለካኸ መን እዩ፧* 5 እቶም ብሞት እተሰነፉ ራዕራዕ ይብሉ፣ካብ ማያትን ኣብኡ ኻብ ዚነብሩን እኳ ይትሕቱ። 6 መቓብር* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ* ጥራዩ እዩ፣+ቦታ ጥፍኣት* እውን ቅሉዕ እዩ። 7 ንሰሜናዊ ሰማይ* ኣብ ልዕሊ ባዶ* ይዝርግሖ፣+ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ፣ 8 ንማያት ኣብ ደበናታቱ ይጥቕልሎ፣+እቲ ደበናታት ከኣ ብኽብደቱ ኣይቅደድን። 9 ደበናኡ ኣብኡ ዘርጊሑ፡+ዝፋኑ ኸይርአ ይኽውሎ። 10 ንኣድማስ* ኣብ ልዕሊ ገጽ ማያት ደረት ይገብረሉ፣+ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ዶብ ይገብር። 11 ኣዕኑድ ሰማያት ይናወጹ፣ብመግናሕቱ እውን ይድንጽዎም። 12 ብሓይሉ ንባሕሪ የለዓዕሎ፣+ብኣእምሮኡ ኸኣ ንዓብዪ እንስሳ ባሕሪ* ይሰባብሮ።+ 13 ብትንፋሱ* ንሰማያት የጽሪ፣ኢዱ ነቲ ምሉቝሉቝ ዚብል* ተመን ይወግኦ። 14 እንሆ፡ እዚ ጫፍ መገድታቱ ጥራይ እዩ፣+ብዛዕባኡስ ድኹም ሕሹዅሹዅታ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ! ነቲ ሓያል ነጕዱኸ መን ኪርድኦ ይኽእል፧”+ 4 ኤሊፋዝ+ እቲ ቴማናዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ሰብ እንተ ዚዛረበካስ፡ ዓቕሊዶ መጽበብካ፧ ዘረባኡ ኺገትእ ዚኽእልከ መን ኣሎ፧ 3 እንሆ፡ ንብዙሓት ኣሪምካ ኢኻ፣ንዝደኸማ ኣእዳው ከኣ ተበርትዕ ኔርካ። 4 ቃላትካ ንእተዓንቀፈ የተንስእ፡ረሸሽ ንዝበላ ኣብራኽ እውን የበርትዕ ነይሩ። 5 ሕጂ ግና ንዓኻ ምስ በጽሓካ፡ ኣይከኣልካዮን፣*ምስ ተንከየካ ድማ፡ ተዳሂልካ። 6 እቲ ንኣምላኽ ምፍራህካስ እምንቶዶ ኣይኰነካን እዩ፧ እቲ መገዲ ንጽህናኻኸ+ ተስፋዶ ኣይህበካን እዩ፧ 7 በጃኻ ዘክር፦ ንጹህ ሰብ ጠፊኡዶ ይፈልጥ፧ ቅኑዕከ መዓስ ተደምሲሱ ይፈልጥ፧ 8 ኣነ ኸም ዝረኣኽዎ፡ እቶም ጕድኣት ዚሓርሱ፡*እቶም ሽግር እውን ዚዘርኡ፡ ንዕኡ ይዓጽድዎ። 9 ብትንፋስ ኣምላኽ ይጠፍኡ፣ብነድሪ ቝጥዓኡ ኸኣ ይውድኡ። 10 ኣንበሳ ይጓዝም፡ ዘይባጽሐ ኣንበሳ እውን ሕኒን ይብል፣ግናኸ፡ ኣስናን ሽደን ኣንበሳ እኳ ይስበር። 11 ኣንበሳ ዚህደን ስኢኑ ይጠፍእ፣ኰራዅር ኣንበሳ ድማ ፋሕ ይብሉ። 12 ንዓይ ከኣ ቃል ብሕቡእ መጺኡኒ፣ኣብ እዝነይ ድማ ሕሹዅታኡ በጺሑ። 13 ብራእያት ለይቲ፡ሰባት ከቢድ ድቃስ ምስ ደቀሱ፡ ዚርብሽ ሓሳባት መጺኡኒ፣ 14 ብርቱዕ ራዕዲ ሒዙኒ፣ንዅሉ ኣዕጽምተይ ብራዕዲ መሊእዎ። 15 መንፈስ ብልዕሊ ገጸይ ሓሊፉ፣ጸጕሪ ስጋይ ከኣ ተኸዪፉ። 16 ሽዑ፡ ንሱ ቘይሙ፣ኣነ ድማ ትርኢቱ ኣየለለኽዎን። ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ መልክዕ ነይሩ፣ህድኣት ከኣ ነይሩ፡ ድምጺ እውን ሰሚዐ፦ 17 ‘መዋቲ ሰብዶ ኻብ ኣምላኽ ኪጸድቕ ይኽእል እዩ፧ ሰብዶ ኻብ ገባሪኡ ኺነጽህ ይኽእል እዩ፧’ 18 እንሆ፡ ንኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን፡ንመላእኽቱ* እውን ጕድለት ይረኽበሎም። 19 ነቶም ኣብ ኣባይቲ መሬት ዚነብሩ፡ሓመድ ዝመሰረቶም፡+ከም ሓሰኻ* ብቐሊሉ ዚጭፍለቑ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይረኽበሎም። 20 ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይሕምሸሹ፣ንዘለኣለም ይጠፍኡ፡ ዜስተብህል እውን የልቦን። 21 ገመዱ ኸም እተመንቈሰ ድንኳን ደይኰኑን፧ ብዘይ ጥበብ ይሞቱ። 41 “ንሌዋታን*+ ብመቝለብ ዓሳ ኽትሕዞ፡ወይስ ንመልሓሱ ብገመድ ክትኣስሮዶ ትኽእል፧ 2 ብኣፍንጫኡ ገመድ* ከተእቱ፡ወይስ ንምንጋጋኡ ብዓንቃሪቦ* ኸተንኵሎዶ ትኽእል፧ 3 ብዙሕዶ ይልምነካ እዩ፧ ወይስ ብልእመትዶ ይዛረበካ እዩ፧ 4 ንሓዋሩ ባርያኻ ኽትገብሮስ፡ምሳኻዶ ኺዳን ይኣቱ እዩ፧ 5 ከም ምስ ዑፍሲ ምስኡዶ ትጻወት ኢኻ፧ ወይስ ንኣዋልድካ ኪኸውን ብገመድዶ ትኣስሮ ኢኻ፧ 6 ሸቃጦ ንዕኡ ብኻልእ ይልውጥዎዶ፧ ኣብ መንጎ ነጋዶኸ ይመቕልዎዶ፧ 7 ንቘርበቱ ብጭማራ፡ወይስ ንርእሱ ብዂናት ዓሳ ትመልኦዶ፧+ 8 እስከ ኢድካ ኣብኡ ኣንብር፣ነቲ ቓልሲ ኽትዝክሮ፡ ከቶ እውን ኣይክትደግሞን ኢኻ። 9 ንምግዛኡ እተሕድሮ ተስፋ ኸንቱ እዩ። ትርኢቱ ጥራይ እኳ የጃጅወካ።* 10 ኬለዓዕሎ ዚደፍር ሓደ እኳ የልቦን። መን ደኣ እዩ ኺቃወመኒ ዚደፍር፧+ 11 ኣነ መሊሰ ክኸፍሎስ፡ ቅድም ዝሃበኒ መን እዩ፧+ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ዘበለ ናተይ እዩ።+ 12 ብዛዕባ መሓውሩ ስቕ ኣይክብልን እየ፣ብዛዕባ ሓይሉን ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ እተሰርዐ ኣካላቱን ድማ ከምኡ። 13 ነቲ ግዳማዊ ኽዳኑ መን ይቕንጥጦ፧ ናብቲ ኽፉት ምንጋጋኡኸ መን ይኣቱ፧ 14 ንመዓጹ ኣፉ* ፈንቂቑ ኪኸፍቶ ዚኽእል መን እዩ፧ ኣስናኑ ብዙርያኡ ዜፍርህ እዩ። 15 ዝባኑ መሳርዕ ቅርፍቲ ኣለዎ፣*ብሓደ ተጠባቢቑ እተሓትመ እዩ። 16 ንሓድሕዱ ግጡም እዩ፣ብመንጎኡ ኣየር ኣይኣቱን። 17 ንሓድሕዱ እተጣበቐ እዩ፣ብሓደ እተላገበን ዘይፈላለን እዩ። 18 ካብ ኵሪፍታኡ ብርሃን ብልጭ ይብል፣ኣዒንቱ ኸኣ ከም ባና ወጋሕታ እዩ። 19 በርቅታት ካብ ኣፉ ይወጽእ፣ቍልዒ ሓዊ ድማ የምልጥ። 20 ከምቲ ኣብ እቶን ዝኣተወ ሰቲ ዀይኑ፡ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእ፣ 21 ትንፋሱ ንኸሰል የንድዶ፣ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ። 22 ኣብ ክሳዱ ዓብዪ ብርታዐ ኣሎ፣ድህለት ቀቅድሚኡ ይጐዪ። 23 እተደራረበ ስጋኡ ብሓደ ዝለገበ እዩ፣ኣብ ልዕሊኡ ብፍሲ ኸም እተገብረ ጽኑዕን ዘይንቀሳቐስን እዩ። 24 ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፣እወ፡ ከም መጥሓን ተሪር እዩ። 25 ምስ ተንስአ፡ ሓያላት እኳ ይፈርሁ፣ጨፍላሕታኡ የዐውን። 26 ዜርክቦ ሰይፊ፡ኲናት፡ ጩረ፡ ወይ ርእሲ ፍላጻ ኣየሰንፎን።+ 27 ንሓጺን ከም ሓሰር፡ንነሓሲ ድማ ከም በዅባዅ ዕንጨይቲ ይቘጽሮ። 28 ፍላጻ ኣየህድሞን፣እምኒ ወንጭፍ ከኣ ከም ሓሰር ይዀኖ። 29 ንበትሪ ኸም ሓሰር ይቘጽሮ፣ንጭዋሕዋሕታ መዝረቕ ድማ ይስሕቆ። 30 ትሕቲኡ፡ ከም በላሕቲ ኣጋልዕ እዩ፣ከም መኼዲ ኸኣ ኣብ ጭቃ በጥ ይብል።+ 31 ንመዓሙቝ ከም ቍራዕ የፍልሖ፣ንባሕሪ ድማ ከም ቍራዕ ቅብኢ ሸረኽረኽ የብሎ። 32 ኣብ መገዱ ዜብረቕርቕ ኣሰር ይሓድግ። እቲ መዓሙቝ ከኣ ሽበት ዘለዎ ይመስል። 33 ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ፡ዘይፈርህ ኰይኑ እተገብረ ፍጥረት የልቦን። 34 ንዕቡይ ዘበለ የፍጥጠሉ፣ኣብ ልዕሊ ዅሎም ግርማ ዘለዎም ኣራዊት ድማ ንጉስ እዩ።” 37 “በዚ ልበይ ይወቅዕ፡ካብ ቦታኡ ይዘልል ኣሎ። 2 ነቲ ዚሃምም ድምጹ፡ነቲ ኻብ ኣፉ ዚመጽእ ነጕዲ ተጠንቂቕኩም ስምዕዎ። 3 ንዕኡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማያት ይፍንዎ፣ንበርቁ ኸኣ ናብ ወሰናት ምድሪ ይሰድዶ።+ 4 ድሕሪኡ ደሃይ ይጓዝም፣ብግርማዊ ድምጺ የንጐድጕድ፣+ድምጹ ምስ ተሰምዐ ድማ ኣይክልክሎን። 5 ኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ብድምጹ የንጐድጕድ፣+ክንርድኦ ዘይንኽእል ዓበይቲ ነገራት ይገብር።+ 6 ንውርጭስ፡ ‘ናብ ምድሪ ውረድ፡’ ይብሎ፣+ንዝናም ከኣ፡ ‘ኣበርቲዕካ ዝነም’ ይብሎ።+ 7 ኵሉ መዋቲ ሰብ ግብሩ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ኣምላኽ ንዅሉ ተግባር ሰብ ደው የብሎ።* 8 ኣራዊት ናብ መሕብኢኦም ይኸዱ፣ኣብ ሰፈሮም ድማ ይቕመጡ። 9 ህቦብላ ንፋስ ካብ ክፍሉ ይነፍስ፣+ዛሕሊ ኸኣ ካብ ንፋሳት ሰሜን ይመጽእ።+ 10 ብትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውን፣+እቲ ገፊሕ ማያት ድማ ደስኪሉ ይግጎ።+ 11 እወ፡ ንደበናታት ብጠሊ የኽብዶ፣ንበርቁ ኣብ ደበናታት ፋሕ የብሎ፣+ 12 ናብ ዝመርሖም ይጥወዩ፣ኣብ ገጽ ብዘላ ዓለም* ዝኣዘዞም ዘበለ ይፍጽሙ።+ 13 ንመቕጻዕቲ*+ ዀነ፡ ንምድሪ ኢሉ ዀነ፡ወይ ብተኣማንነት ፍቕሪ ንምርኣይ፡ ከም ዚኸውን ይገብሮ።+ 14 ኦ እዮብ፡ እዚ ስማዕ፣ደው ኢልካ ነቲ ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ተጠንቂቕካ ሕሰቦ።+ 15 ኣምላኽ ንደበናታት ከመይ ገይሩ ኸም ዚቈጻጸሮ፡*ንበርቂ ድማ ካብ ደበና ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብርቖ ትፈልጥ ዲኻ፧ 16 ደበናታት ከመይ ኢሉ ኸም ዜንሳፍፍ ትፈልጥ ዲኻ፧+ እዝስ ዜደንቕ ግብርታት እቲ ብፍልጠት ፍጹም ዝዀነ እዩ።+ 17 ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ጸጥ ምስ በለት፡ክዳውንትኻ ስለምንታይ እዩ ዚሞቐካ፧+ 18 ንሰማያት ከም መስትያት ብረት ዝምትራሩ ጌርካ፡ከምኡ ኽትዝርግሖዶ* ትኽእል፧+ 19 ንዕኡ እንታይ ከም እንብሎ ንገረና፣ኣብ ጸልማት ስለ ዘለና፡ ክንምልስ ኣይከኣልናን። 20 ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ኪንገሮዶ ይግባእ፧ ወይስ ኪሕበሮ ዘለዎ ነገር እተዛረበዶ ኣሎ፧+ 21 ንሳቶም ብርሃን* እኳ ኺርእዩ ኣይከኣሉን። እዚ ኣብ ሰማይ ብሩህ እኳ እንተ ዀነ፡ንፋስ ሓሊፉ ንደበናታት ክሳዕ ዜልግሶ ኣይርእይዎን። 22 ካብ ሰሜን ወርቃዊ ብርሃን ይመጽእ፣ግርማ ኣምላኽ+ ዜፍርህ እዩ። 23 ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና፣+ንሱ ብሓይሊ ዓብዪ እዩ፣+ፍትሑን ብዝሒ ጽድቁን ድማ ከቶ ኣይጥሕስን።+ 24 ስለዚ፡ ሰባት ይፍርህዎ።+ ነቶም ጥበበኛታት ዝዀኑ ዚመስሎምሲ* ኣብሊጹ ኣይርእዮምን እዩ።”+ 40 የሆዋ ንእዮብ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ 2 “ወቓሲዶ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኪማጐት ይኽእል እዩ፧+ እቲ ንኣምላኽ ኪገንሖ ዚደሊ ይመልስ።”+ 3 እዮብ ከኣ ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ 4 “እንሆ፡ ኣነ ዘይረብሕ እየ።+ እንታይ ኢለኸ ኽምልሰልካ፧ ኢደይ ኣብ ኣፈይ ኣንቢረ ኣለኹ።+ 5 ሓንሳእ ተዛሪበ ነይረ፡ ደጊመ ግና ኣይክምልስን እየ፣አረ ኽልተ ሳዕ እውን ተዛሪበ ነይረ፡ መሊሰ ግና ሓንቲ ኣይክብልን እየ።” 6 ሽዑ፡ የሆዋ ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦+ 7 “በጃኻ እስከ፡ ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣ኣነ ኽሓትተካ፡ ንስኻ እውን ኣፍልጠኒ።+ 8 ንፍትሐይዶ ኣብ ሕቶ ኸተእትዎ* ኢኻ፧ ቅኑዕ ክትከውን ኢልካዶኸ ኽትኵንነኒ ኢኻ፧+ 9 ከም ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓያል ዝዀነ ቕልጽምዶ ኣሎካ፧+ ከም ድምጹ ጌርካኸ ኸተንጐድጕድዶ ትኽእል ኢኻ፧+ 10 በጃኻ እስከ፡ ብኽብርን ብግርማን ተሰለም፣መዓርግን ጽባቐን ከኣ ልበስ። 11 ነድሪ ቝጥዓኻ ፈንዎ፣ንዕቡይ ዘበለ ዅሉ ርኢኻስ ኣዋርዶ። 12 ንዕቡይ ዘበለ ዅሉ ርኢኻስ ትሕት ኣብሎ፣ንእኩያት ድማ ኣብ ዘለውዎ ርገጾም። 13 ንዅላቶም ኣብ ሓመድ ሕብኣዮም፣ኣብ ሕቡእ ቦታ ኸኣ እሰሮም።* 14 ሽዑ፡ የማነይቲ ኢድካ ኸተድሕን ከም እትኽእል፡ኣነ እኳ ኽእመነልካ* እየ። 15 ሕጂ፡ ከምቲ ንዓኻ ዝገበርኩኻ፡ ንዕኡ እውን ዝገበርክዎ ብሄሞት* እንሆ። ንሱ ኸም ብዕራይ ሳዕሪ ይበልዕ። 16 ኣብ ሕቘኡ ዘሎ ብርታዐንኣብ ጭዋዳታት ከብዱ ዘሎ ሓይልን እሞ ተመልከት። 17 ንጭራኡ ኸም ቄድሮስ የትርሮ፣ጅማውቲ ሰለፉ ብሓደ እተተትዐ እዩ። 18 ኣዕጽምቱ ሻምብቆታት ነሓሲ፡መሓውሩ ድማ ከም በትሪ ጥሩግ ሓጺን እዩ። 19 ካብ ግብርታት ኣምላኽ ቀዳማይ ደረጃ* እዩ፣ፈጣሪኡ ጥራይ እዩ ብሰይፉ ኪቐርቦ ዚኽእል። 20 ኣኽራንሲ ምግቡ የፍርየሉ፣ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እንስሳ ዘገዳም ይጻወት። 21 ኣብ ትሕቲ ኣእዋም ጋባ፡ኣብ ጽላል ሻምብቆ ዓዘቕቲ በጥ ይብል። 22 ኣእዋም ጋባ የጽልሎ፣ናይ ስንጭሮ* ኦም ዓራባ ኸኣ ይኸብቦ። 23 ውሒዝ እንተ በርቲዑ፡ ኣይስምብድን። ዮርዳኖስ+ ክሳብ ኣፉ እንተ መልአ እኳ፡ ድምብርጽ ኣይብሎን። 24 እናረኣየ ኺሕዞ፡ንኣፍንጫኡ ብዓንቃሪቦ* ኼንኵሎ ዚኽእልዶ ኣሎ፧ 16 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ከምዚ ዝበለስ ብዙሕ ሰሚዐ ኣለኹ። ኵላትኩም እተሸግሩ መጸናናዕቲ ኢኹም!+ 3 ባዶ* ቓላትሲ ይውዳእ ድዩ፧ ከምዚ ኢልካ ኽትምልስ ዜለዓዕለካኸ እንታይ እዩ፧ 4 ኣነ እውን ከም ናታትኩም ገይረ ኽዛረብ እኽእል እየ። ንስኻትኩም ኣብ ቦታይ እንተ ትዀኑ፡*ዜእምን ዘረባ ኣንጻርኩም ክዛረብ፡ርእሰይ እውን ክንቕንቐልኩም ምኸኣልኩ ነይረ።+ 5 ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ብቓላት ኣፈይ መበርታዕኩኹም፡ብምጽንናዕ ከናፍረይ እውን እፎይታ መምጻእኩልኩም ነይረ።+ 6 እንተ ተዛሪበ፡ ቃንዛይ ዝግ ኣይብልን እዩ፣+ምዝራብ እንተ ሓዲገኸ፡ ቃንዛይ ክንደይ እዩ ዚንኪ፧ 7 ሕጅስ ኣድኪሙኒ፣+ንብዘለዉ ቤተ ሰበይ* እውን ኣዕንይዎም። 8 ንስኻ ድማ ሒዝካኒ፡ እዚ ኸኣ ምስክር ኰይኑኒ፣ዕብራነይ ተንሲኡ እውን ኣብ ገጸይ ይምስክረለይ። 9 ቍጥዓኡ ይሰላልዓኒ፣ ንሱ ድማ ይጸልኣኒ።+ ኣስናኑ ይሕርቅመለይ። ተጻራርየይ ብኣዒንቱ ይወግኣኒ።+ 10 ኣፎም ሃህ ኣቢሎምለይ፣+እናጸረፉ ኸኣ መዓጕርተይ ይጸፍዑኒ፣ብዙሓት ድማ ኣንጻረይ ይእከቡ።+ 11 ኣምላኽ ኣብ ኢድ ቈልዑ ኣሕሊፉ ሂቡኒ፡ኣብ ኣእዳው እኩያት ከኣ ደርብዩኒ።+ 12 ከይተሸገርኩ እነብር ነይረ፡ ንሱ ግና ሓምሺሹኒ፣+ብኽሳደይ ሒዙ ሰባቢሩኒ፣ዕላማኡ ገይሩ ድማ ኣቚሙኒ። 13 ቀስተኛታቱ ኸቢቦምኒ፣+ብዘይ ርሕራሐ ንዀላሊተይ+ ይወግአን፣ንሓሞተይ ከኣ ኣብ ምድሪ የፍስሶ። 14 ፍሩስ ድሕሪ ፍሩስ ገይሩ የፈራርሰኒ፣ከም ጅግና ይህንደደኒ። 15 ቈርበተይ ንምሽፋን፡ ማቕ ሰፍየ፣+ክብረይ* ድማ ኣብ ሓመድ ደብየዮ።+ 16 ገጸይ ብብኽያት ቀይሑ፣+ኣብ ከበሮ ዓይነይ ከኣ ብርቱዕ ጽላሎት* ኣሎ፣ 17 ግናኸ፡ ኣእዳወይ ዓመጻ ኣይገበራን፡ጸሎተይ ድማ ንጹህ እዩ። 18 ኦ ምድሪ፡ ንደመይ ኣይትኸውልዮ!+ ንኣውያተይ እውን መዕረፊ ኣይወሃቦ! 19 ሕጂ እውን፡ ምስክረይ ኣብ ሰማያት፡እቲ ኺምስክረለይ ዚኽእል ከኣ ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ። 20 ኣዒንተይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪነብዓ* ኸለዋ፡+ብጾተይ የላግጹለይ።+ 21 ከምቲ ኣብ መንጎ ሰብን ብጻዩን ዚዳኒ፡ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ዚዳኒ ይሃሉ።+ 22 እተን ዚመጻ ዓመታትሲ ሒደት እየን፣በታ ዘይምለሰላ መገዲ ድማ ክኸይድ እየ።+ 6 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ወዮ፡ ጓህየይ+ ብምሉኡ እንተ ዚምዘን፡ምስ መዓተይ እውን ኣብ ሚዛን እንተ ዚግበር! 3 ሕጅስ ካብ ሑጻ ባሕርታት ይኸብድ እዩ። ስለዚ እዩ ቓላተይ ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ* ዝዀነ።+ 4 ፍላጻታት እቲ ዅሉ ዚኽእልሲ ወጊኡኒ ኣሎ፣መንፈሰይ ከኣ ሕንዙ ይሰቲ ኣሎ፣+ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሽበራ ኣንጻረይ ተሰሊፉ ኣሎ። 5 ኣድጊ በረኻ+ ሳዕሪ ረኺቡ ኸሎዶ ይሃልል እዩ፧ ወይስ ብዕራይ ድርቋ ረኺቡ ኸሎዶ ይንቁ እዩ፧ 6 መቐረት ዘይብሉ ምግቢዶ ብዘይ ጨው ይብላዕ እዩ፧ ወይስ ኣብ ጽማቝ ልሕቲትዶ ጣዕሚ ኣሎ እዩ፧ 7 ኣነ* ነዚ ነገር እዚ ምትንካይ ኣብየዮ። ንዓይ ድማ ኣብ ምግበይ ከም ብከላ እዩ። 8 ኣየ፡ ልማኖይ እንተ ዚምለስ፡ኣምላኽ ከኣ ከም ትምኒተይ እንተ ዚህበኒ! 9 ኣምላኽ ኪጭፍልቐኒ፡ኢዱ ዘርጊሑ ኺምንቍሰኒ ፍቓዱ እንተ ዚኸውን!+ 10 ሽዑ ምተጸናናዕኩ፣ንቓል እቲ ቕዱስ ኣይከሓድክዎን እሞ፡+ብርቱዕ ስቓይ እናሃለወኒ ኽነሱ ብሓጐስ ምተሰራሰርኩ። 11 ንምጽባይዶ ሓይሊ ኣሎኒ እዩ፧+ ኣነ ብህይወት ክነብርሲ፡* ኣብ መወዳእታ እንታይ ዝጽበዮ ኣሎኒ፧ 12 ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ ኸውሒ እዩ፧ ወይስ ስጋይዶ ብነሓሲ እተገብረ እዩ፧ 13 ኵሉ ደገፈይ ካባይ ምስ ረሓቐ፡ገዛእ ርእሰይ ክሕግዘሉ ዚኽእል መገዲዶ ኣሎ፧ 14 ንብጻዩ ብተኣማንነት ዘየፍቅሮ ዘበለ+ንፍርሃት እቲ ዅሉ ዚኽእል ይሓድጎ።+ 15 ኣሕዋተይ ከምቲ ዚነጽፍ ማይ ወሓይዝ ክረምቲ፡ከም ውሒዝ ክረምቲ ጠሊሞምኒ።+ 16 ንሱ ብበረድ ይጽልም፣ኣብኡ ኸኣ ዚመክኽ ውርጪ ተሓቢኡ ኣሎ። 17 ብግዜኡ ግና ማይ ዘይብሉ ይኸውን፡ ይውዳእ፣ሙቐት ምስ ኰነ ድማ ይነጽፍ። 18 መገዱ የላግስ፣ናብ ምድረ በዳ ውሒዙ ኸኣ ይጠፍእ። 19 ቃፍላይ ቴማ+ ይደልይዎ፣ሳባውያን+ ተጓዓዝቲ ይጽበይዎ። 20 ብጌጋ ተኣሚኖም እዮም እሞ ይሓንኩ፣ናብኡ መጺኦም ድማ ይሓፍሩ። 21 ንስኻትኩምሲ ኸምኡ ኢኹም ኴንኩምኒ፣+ናይ መዓተይ ሽበራ ርኢኹምሲ፡ ፈሪህኩም።+ 22 ኣነዶ ‘ሃቡኒ’ ኢለ እየ፧ ወይስ ካብ ሃብትኹም ህያብ ኪውሃበኒዶ ለሚነ እየ፧ 23 ካብ ኢድ ጸላኢ ኸተናግፉኒ፡ወይስ ካብ ጨቈንቲ ኸተድሕኑኒዶ* ሓቲተ እየ፧ 24 ምሃሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፣+ጌጋይ ከኣ ኣረድኡኒ። 25 ቅኑዕ ቃላት ዜሳቒ ኣይኰነን!+ ካብ መግናሕትኹም ግና እንታይ ጥቕሚ ይርከብ፧+ 26 ንቓላተይ ክትገንሑዶ ትሓስቡ ኣለኹም፧ ዘረባ ተስፋ ዝቐበጸ ሰብሲ+ ንፋስ ዚወስዶ እዩ። 27 ንስኻትኩምሲ ንዘኽታም* ዕጫ መውደቕኩምሉ፡+ንፈታዊኹም እውን ምሸጥኩምዎ!*+ 28 ሕጂ ኸኣ ናባይ እስከ ግልጽ በሉ፣ኣብ ገጽኩምሲ ኣይሕሱን እየ። 29 እስከ በጃኹም ሕሰቡ፡ ብጌጋ ኣይትፍረዱኒ፣እወ፡ እስከ ሕሰቡ፡ ጽድቀይ ገና ኣብኡ ኣሎ። 30 ልሳነይ ዓመጻዶ ይዛረብ ኣሎ እዩ፧ ትንሓገይከ ጌጋዶ ኣየስተውዕልን እዩ፧ 25 ቢልዳድ+ እቲ ሹሓዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ግዝኣትን ዜፍርህ ሓይልን ናቱ እዩ፣ኣብ ሰማይ* ሰላም ይገብር። 3 ሰራዊቱዶ ኪቝጸሩ ይኽእሉ፧ ብርሃኑ ዘይበርቆኸ መን ኣሎ፧ 4 መዋቲ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ ይኽእል፧+ ወይስ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ገይሩ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧+ 5 ወርሒ እኳ ብርህቲ ኣይኰነትን፣ከዋኽብቲ እውን ኣብ ኣዒንቱ ንጹሃት ኣይኰኑን። 6 መዋቲ ሰብ እዚ እቡብ፡ወዲ ሰብ እዚ ሓሰኻ ደኣ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!” 33 “ሕጂ ግና፡ ኦ እዮብ፡ ዘረባይ ስማዕ፣ንዅሉ እቲ ዝብሎ ድማ ጽን በል። 2 በጃኻ እሞ ርአ! ኣፈይ ክኸፍት እየ፣ልሳነይ* እውን ክትዛረብ እያ። 3 ቃላተይ ካብ ቅንዕና ልበይ እዩ ዚመጽእ፣+ከናፍረይ ከኣ ዝፈልጦ እየን ብቕንዕና ዚነግራ። 4 መንፈስ ኣምላኽ እዩ ገይሩኒ፣+ትንፋስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ እዩ ህያው ገይሩኒ።+ 5 እንተ ኽኢልካስ መልሰለይ፣ኣብ ቅድመይ ቌምካ መጐተኻ ኣቕርብ። 6 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከማኻ እየ፣ኣነ እውን ካብ መሬት እየ ተቐሪጸ።+ 7 ስለዚ፡ ንዓይ ፈሪህካ ኽትሽበር የብልካን፣ካባይ ዚመጽእ ጸቕጢ እውን ኪኸብደካ የብሉን። 8 ግናኸ፡ እናሰማዕኩኻ ኸምዚ ኢልካ፡እወ፡ እዚ ቓላት እዚ ሰሚዐ እየ፦ 9 ‘ኣነ ንጹህ ብዘይ ኣበሳ እየ፣+ጽሩይ ብዘይ ሓጢኣት እየ።+ 10 ኣምላኽ ግና ንምጽራረይ ምኽንያት ይረክብ፣ከም ጸላኢኡ እውን ይርእየኒ።+ 11 ንኣእጋረይ ኣብ ጕንዲ የእትወን፣ንዅለን መገድታተይ ከኣ ይቋመተን።’+ 12 እዚ ብምባልካስ ቅኑዕ ኣይኰንካን እሞ፡ ክምልሰልካ እየ፦ ኣምላኽ ካብ መዋቲ ሰብ ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ።+ 13 ስለምንታይ ኢኻ እተማርሮ፧+ ንዘረባኻ ስለ ዘይመለሰልካ ዲኻ፧+ 14 ኣምላኽሲ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዛረብ፣ዜቕልብ ግና የልቦን። 15 ብሕልሚ፡ ብራእይ ለይቲ፡+ሰባት ከቢድ ድቃስ ምስ ደቀሱ፡ኣብ ዓራቶም እውን ምስ ደቀሱ፡ ይዛረብ። 16 ሽዑ፡ ንኣእዛኖም ቀሊዑ፡+ትምህርቱ ይቐርጸሎም፣* 17 ንሰብ ካብ ክፉእ ግብሩ ኺመልሶ፡+ካብ ትዕቢት ኪስውሮ ይዛረብ።+ 18 ኣምላኽ ንነፍሱ* ኻብ ጕድጓድ፡*+ንህይወቱ ድማ ብሰይፊ* ኸይትጠፍእ ይባልሃ። 19 ሰብ ኣብ ዓራቱ ብስቓይንብቐጻሊ ጭንቂ ኣዕጽምቱን እውን ይግናሕ። 20 ሽዑ፡ ህይወቱ ንእንጌራ፡ነፍሱ እውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ።+ 21 ዘይርአ ኽሳዕ ዚኸውን ስጋኡ ይምህምን፣እቲ ሕቡእ ዝነበረ ኣዕጽምቱ ይወጽእ።* 22 ነፍሱ* ናብ ጕድጓድ፡*ህይወቱ እውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ። 23 ንሰብ ቅኑዕ ዘበለ ዚነግሮ፡እተላእከሉ ልኡኽ፡*ካብ ሽሕሲ ሓደ ጠበቓ እንተ ዚህሉ፡ 24 ሽዑ፡ ኣምላኽ ሞገሱ የርእዮ እሞ፡‘ናብ ጕድጓድ* ካብ ምውራድ ይድሓን!+ በጃ ረኺበ ኣለኹ!+ 25 ስጋኡ ኻብ ናይ መንእሰይ ይለምልም፣*+ናብ መዓልትታት ንእስነቱ ይመለስ’ ይብል።+ 26 ንኣምላኽ ኪልምኖ እሞ፡+ ንሱ ኪቕበሎ፡ንሱ ኸኣ ገጹ ብእልልታ ኺርእዮ፡ጽድቁ ድማ ናብቲ መዋቲ ሰብ ኪመልስ እዩ። 27 እቲ ሰብ እቲ ንሰባት ከምዚ ይብሎም፦* ‘ሓጢአ፡+ ቅኑዕ ዘበለ እውን ኣቕኒነ፣ዚግብኣኒ ግና ኣይረኸብኩን።* 28 ንሱ ንነፍሰይ* ናብ ጕድጓድ* ከይትኸይድ ተበጅይዋ፣+ህይወተይ ከኣ ብርሃን ክትርኢ እያ።’ 29 እወ፡ ኣምላኽ ንሰብ እዚ ዅሉ፡ክልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ይገብረሉ። 30 ካብ ጕድጓድ* ኪመልሶ፡*ብብርሃን ህይወት ኪበርሃሉ ኢሉ ኸምኡ ይገብረሉ።+ 31 ኦ እዮብ፡ ኣቕልብ! ስምዓኒ! ስቕ በል እሞ፡ ክዛረብ። 32 እትብሎ እንተ ኣልዩካ፡ መልሰለይ። ቅኑዕ ምዃንካ ኸረጋግጽ እደሊ እየ እሞ፡ ተዛረብ። 33 እትብሎ እንተ ዘይብልካ ግና፡ ስምዓኒ፣ስቕ በል እሞ፡ ክምህረካ።” 10 “ኣነ* ንህይወተይ ፈንፊነያ።+ ንመረረተይ መተንፍሶ ኽገብረሉ እየ። ብመሪር ጭንቀይ* ክዛረብ እየ! 2 ንኣምላኽ ከምዚ እብሎ ኣለኹ፦ ‘በዳሊ ኢልካ ኣይትዀንነኒ። ስለምንታይ ትብኣሰኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ። 3 ምኽሪ እኩይ እናመረጽካ፡ንተግባር ኣእዳውካ ምጭቋንንምንዓቕንዶ ይጠቕመካ እዩ፧+ 4 ኣዒንቲ ስጋዶ ኣሎካ እዩ፧ ከምቲ መዋቲ ሰብ ዚርእዮ ጌርካዶኸ ትርኢ ኢኻ፧ 5 መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት መወትቲ ድየን፡ወይስ ዓመታትካ ኸም ዓመታት ሰብ ድየን+ 6 ስሕተተይ እትምርምርንሓጢኣተይ እትደልን፧+ 7 በዳሊ ዘይምዃነይ ትፈልጥ ኢኻ፣+ካብ ኢድካ ኼድሕነኒ ዚኽእል ከኣ የልቦን።+ 8 ኣእዳውካ እየን ዝቐረጻንን ዝገበራንን፣+ሕጂ ግና ፈጺምካ ተጥፍኣኒ ኣለኻ። 9 ካብ መሬት ከም ዝገበርካኒ በጃኻ ዘክር፣+ሕጂ ግና ናብ ሓመድ ትመልሰኒ ኣለኻ።+ 10 ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፧ ከም ኣጅቦዶኸ ኣየርጋእካንን፧ 11 ቈርበትን ስጋን ኣልቢስካኒ፣ብኣዕጽምትን ብጅማውትን ከኣ ኣሊምካኒ።+ 12 ህይወት ሂብካኒ፡ ብተኣማንነት ድማ ኣፍቂርካኒ፣ንመንፈሰይ* ከኣ ብኽንክንካ ሓሊኻዮ።+ 13 ግናኸ፡ ብሕቡእ እዚ ኽትገብር ሓሊንካ።* እዚ ኻባኻ ምዃኑ እፈልጥ እየ። 14 እንተ ዝሓጥእ፡ ምተቛመትካኒ፡+ካብ ስሕተተይ ከኣ ናጻ ኣይምገበርካንን። 15 በዳሊ እንተ ዀይነ፡ ወይለይ! ንጹህ እኳ እንተ ዀይነ ድማ፡ ርእሰይ ከልዕል ኣይክእልን እየ፣+ከመይሲ፡ ውርደትን ጸበባን ጸጊበ ኣለኹ።+ 16 ርእሰይ እንተ ዘልዕል፡ ከም ኣንበሳ ምሃደንካኒ፣+ኣንጻረይ ከኣ ሓይልኻ መርኣኻ። 17 ሓደስቲ መሰኻኽር ኣንጻረይ መምጻእካ፣ሽግር ድሕሪ ሽግር ኣብ ልዕለይ እናኣምጻእካ፡ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕካዮ። 18 ስለምንታይ ደኣ ኻብ ማሕጸን ኣውጺእካኒ፧+ ዓይኒ ኸይረኣየትኒ እባ ሞይተ እንተ ዝኸውን፣ 19 ሽዑ፡ ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ ነይረ፣ካብ ማሕጸን ከኣ ብቐጥታ ናብ መቓብር ምወረድኩ ነይረ።’ 20 መዓልትታተይ ሒደት ደይኰናን፧+ ይሕደገኒ፣ገለ ራህዋ ኽረክብሲ፡* ኣዒንቱ ኻባይ የልግስ።+ 21 እወ፡ ናብ ምድሪ ድቕድቕ ጸልማት*+ቅድሚ ምኻደይ፡—ኣይክምለስን ከኣ እየ፡+— 22 ናብ ምድሪ ብርቱዕ ድነ፡ናብ ምድሪ ግብ ዝበለ ጽላሎትን ህውከትን፡ናብቲ ብርሃን እኳ ኸም ድነ ዝዀነሉ ኸይከድኩ የልግሰለይ።” 14 “ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ሓጺር ዝዕድሚኡን+ ሽግር ዝመልኦን* እዩ።+ 2 ከም ዕምባባ ይዕምብብ፡ ይጽምሉ* ኸኣ፣+ከም ጽላሎት ይሃድም፡ ይጠፍእ ድማ።+ 3 እወ፡ ኣዒንትኻ ኣብኡ የተኵራ፣ምሳኻ ናብ ፍርዲ ተቕርቦ።*+ 4 ካብ ርኹስሲ ንጹህ ኬውጽእ ዚኽእል መን ኣሎ፧+ ሓደ እኳ የልቦን! 5 መዓልትታቱ እንተ ተወሲነን፡ቍጽሪ ኣዋርሑ ምሳኻ እዩ፣ከይሓልፎስ ደረት ጌርካሉ።+ 6 ከም ወዓላይ መዓልቱ ኽሳዕ ዚውድእ፡ምእንቲ ኺዓርፍሲ ኻብኡ ናብ ካልእ ጠምት።+ 7 ኦም እኳ ተስፋ ኣለዎ። እንተ ተቘሪጹ፡ መሊሱ ይጥጥዕ፣ውልዶታቱ ምብቋል ኣየቋርጽን። 8 ሰራውሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣሪጉ፡ጕርማጽ ኣብ ሓመድ እንተ ሞይቱ፡ 9 ማይ ምስ ጨነዎ ይጥጥዕ፣ከም ሓድሽ ተኽሊ ድማ ጨናፍር የውጽእ። 10 ሰብ ግና ይመውት እሞ ተሰኒፉ በጥ ይብል፣ሰብ ትንፋሱ እንተ ሓሊፋ፡ ኣበይ ኣሎ፧+ 11 ካብ ባሕርስ ማያት ይጠፍእ፣ፈለግ እውን ይነጽፍን ይነቅጽን። 12 ሰብ ከኣ በጥ ይብል፡ ኣይትንስእን ድማ።+ ሰማይ ክሳዕ ዘይህሉ ኣይነቕሑን፡ካብ ድቃሶም እውን ኣይትንስኡን።+ 13 ኣየ፡ ኣብ መቓብር* እንተ ትሓብኣኒ፡+ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሓልፍ እንተ ትስውረኒ፡ውሱን ግዜ እንተ ትውስነለይ እሞ እንተ ትዝክረኒ!+ 14 ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧+ ራህዋይ ክሳዕ ዚመጽእ፡ኵሉ መዓልትታት ግዴታዊ ኣገልግሎተይ ክጽበ እየ።+ 15 ክትጽውዕ፡ ኣነ እውን ክምልሰልካ እየ።+ ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ* ኢኻ። 16 ሕጂ ግና ስጕምትታተይ ትቘጽር፡ሓጢኣተይ ጥራይ ድማ ትቋመት ኣለኻ። 17 ኣበሳይ ኣብ ከረጺት ተሓቲሙ ኣሎ፣ስሕተተይ እውን ብመጣበቒ ትሓትሞ። 18 ከምቲ ኸረን ወዲቑ ዚጠፍእ፡ከውሒ እውን ካብ ቦታኡ ዚግዕዝ፡ 19 ከምቲ ማይ ንኣእማን ዚብሕጕጎ፡ወሓይዙ ኸኣ ንሓመድ ሓጺቡ ዚወስዶ፡ከምኡ ድማ ንስኻ ንተስፋ መዋቲ ሰብ ተጥፍኦ። 20 ክሳዕ ዚጠፍእ ትሕይሎ፣+ትርኢቱ ለዊጥካ ትሰድዶ። 21 ደቁ ይኸብሩ፡ ንሱ ግና ኣይፈልጦን፣ይሓስሩ፡ ንሱ ግና ኣይግንዘቦን።+ 22 ብስጋኡ ኽሳዕ ዘሎ ጥራይ እዩ ዚሳቐ፣ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ጥራይ እዩ ዚሓዝን።”* 9 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “እዚ ኸምኡ ምዃኑስ ብሓቂ እፈልጥ እየ። መዋቲ ሰብ ግና ከመይ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጸድቕ፧+ 3 ምስኡ ኺማጐት* እንተ ደልዩ፡+ካብ ሽሕ ሕቶታቱስ ሓንቲ እኳ ኺምልሰሉ ኣይክእልን እዩ። 4 ንሱ ጥበበኛ ዝልቡን ብርቱዕ ዝሓይሉን እዩ።+ ተጻሪርዎስ ከይተጐድአ ዚተርፍ መን እዩ፧+ 5 ንሱ ሓደ እኳ ኸይፈለጠ፡ ኣኽራን የግዕዝ፣*ብቝጥዓኡ እውን ይግልብጦም። 6 ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻ፣ኣዕኑዳ እውን የንቀጥቅጡ።+ 7 ንጸሓይ ከይትበርቕ ይእዝዛ፣ብርሃን ከዋኽብቲ ድማ ይሓትም፣+ 8 ንሰማያት በይኑ ይዝርግሖ፣+ኣብ ልዕሊ ልዑል ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ይረግጽ።+ 9 ንሱ ንጭፍራታት ከዋኽብቲ ዓሽን* ከሲልን* ኪማን*+ንጭፍራታት ከዋኽብቲ ደቡባዊ ሰማይን* ገበሮም፣ 10 ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡+ኪቝጸር ዘይከኣል ዜደንቕ ነገራት ይገብር።+ 11 ንሱ ብጥቓይ ይሓልፍ፡ ኣነ ድማ ክርእዮ ኣይክእልን፣ብጥቓይ ከኣ ሓሊፉ ይኸይድ፡ ኣነ ግና ኣየስተውዕሎን። 12 ንሱ እንተ መንጢሉ፡ መን ኪጻረሮ ይኽእል፧ መንከ፡ ‘እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧’ ኪብሎ ይኽእል፧+ 13 ኣምላኽ ንቝጥዓኡ ኣይገትኦን እዩ፣+ረዳእቲ ረሃብ*+ እኳ ይሰግዱሉ። 14 ኣነ ኽምልሰሉ ኸለኹ ግዳ፡ምስኡ ንምምጓት ክንደይ ተጠንቂቐ ቓላት ዘይመርጽ! 15 ቅኑዕ እኳ እንተ ዝኸውን፡ ኣይምመለስኩሉን።+ ካብ ፈራድየይ* ምሕረት ጥራይ እየ ኽልምን ዝኽእል። 16 እንተ ዝጽውዖስ፡ ይምልሰለይዶ፧ ድምጸይ ይሰምዕ ኢለ ኣይኣምንን እየ፣ 17 ንሱስ ብህቦብላ ይጭፍልቐኒ፡ብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቝስለይ የብዝሖ ኣሎ።+ 18 ከተንፍስ ኣይሓድገንን፡ብመሪር ነገራት ድማ የጽግበኒ ኣሎ። 19 ብሓይሊ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ እዩ ብርቱዕ፣+ብፍትሒ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ንሱ፡ ‘መን ተሓታቲ ኺገብረኒ* ይኽእል፧’ ይብል። 20 ኣነ ቕኑዕ እንተ ዝኸውን፡ ኣፈይ ምዀነነትኒ፣ንጽህናይ እኳ እንተ ዝሕሉ፡ በደለኛ* ምገበረኒ ነይሩ። 21 ንጽህናይ እኳ እንተ ዝሕሉ፡ ብዛዕባ ርእሰይ ኣይተኣማመንን እየ፣*ነዛ ህይወተይ እንዕቃ* እየ። 22 ኵሉ ሓደ እዩ፣ ስለዚ እየ፡‘ንሱ ንንጹህ ኰነ ንእኩይ የጥፍኦም’ ዝብል ዘለኹ። 23 ደምሳሲ ውሒዝ ብሃንደበት እንተ ቐቲሉ፡ብቕብጸት ንጹሃት የላግጽ። 24 ምድሪ ኣብ ኢድ እኩይ ተዋሂባ ኣላ፣+ንሱ ንኣዒንቲ* ፈራዶኣ ይሽፍኖ ኣሎ። ንሱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ደኣ እዩ፧ 25 ሕጂ፡ መዓልትታተይ ካብ ጐያዪ ይፈጥና፡+ጽቡቕ ከይረኣያ ኸኣ ይሃድማ ኣለዋ። 26 ከም ጃልባ ሻምብቆ፡ናብ ግዳዩ ኸም ዚንቈት ንስሪ ይሓልፋ። 27 ‘መረረተይ ክርስዖ፡ገጸይ ለዊጠ ኸኣ ክሕጐስ እየ’ እንተ ዝብል፡ 28 ብሰንኪ ዅሉ ስቓየይ ምፈራህኩ፣+ንስኻ ንጹህ ከም ዘይትገብረኒ ድማ እፈልጥ እየ። 29 በዳሊ* ዀይነ ምተረኸብኩ። ስለዚ፡ ስለምንታይ ንኸንቱ ዝቃለስ፧+ 30 ብማይ ውርጪ እንተ ዝሕጸብ፡ኣእዳወይ እውን ብሳሙና* እንተ ዘጽሪ፡+ 31 ኣብ ጕድጓድ ምኣለኽካኒ፡ሽዑ፡ ክዳውንተይ እኳ ምፈንፈነኒ ነይሩ። 32 ከይምልሰሉ፡ ብሓደ ናብ ቤት ፍርዲ ኸይንኸይድሲ፡ከማይ ሰብ ኣይኰነን።+ 33 ኣብ መንጎና ኺውስን* ዚኽእል፡ዳኛ ኪዀነና ዚኽእል* የልቦን። 34 ንዓይ ምውቃዕ እንተ ዚሓድግ፡*ብሽበራኡ እውን እንተ ዘየፈራርሃኒ፡+ 35 ሽዑ፡ ከይፈራህኩ ምተዛረብክዎ፣ብፍርሂ ምዝራብሲ ናተይ ኣይኰነን። 27 እዮብ ድማ መሊሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦* 2 “ከምቲ እቲ ፍትሒ ዝኸልኣኒ ኣምላኽ ህያው ዝዀነ፡+ከምቲ እቲ ዘመረረኒ* ዅሉ ዚኽእል ህያው ዝዀነ፡+ 3 ትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ ክሳዕ ዘሎ፡መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡+ 4 ከናፍረይ ዓመጻ ኣይኪዛረባን እየን፡ልሳነይ እውን ተንኰል ኣይከተዕዘምዝምን እያ! 5 ንስኻትኩም ጻድቃን ኢኹም ክብልሲ ዘይሕሰብ እዩ! ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን* እየ!+ 6 ንጽድቀይ ኣጽኒዐ ኽሕዝ፡ ከቶ እውን ኣይክሓድጎን እየ፣+ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡* ልበይ ኣይኪዅንነንን* እዩ። 7 ጸላእየይ ከም እኩይ ይኹን፣እቶም ዜጥቅዑኒ ድማ ከም ዓማጺ ይኹኑ። 8 እቲ ኣምላኽ ዘይብሉ* ምስ ጠፍአ፡ኣምላኽ ከኣ ንህይወቱ* ምስ ኣጥፍኣስ፡ እንታይ ተስፋ ኣለዎ፧+ 9 ጭንቂ ምስ ወረዶ፡ኣምላኽዶ ኣውያቱ ይሰምዕ እዩ፧+ 10 ወይስ በቲ ዅሉ ዚኽእልዶ ደስ ይብሎ እዩ፧ ኵሉ ግዜኸ ናብ ኣምላኽዶ ይምህለል እዩ፧ 11 ብዛዕባ ሓይሊ* ኣምላኽ ክምህረኩም፡ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ ሓንቲ እኳ ኣይክሓብኣልኩምን እየ። 12 እንሆ፡ ኵላትኩም ራእያት እንተ ርኢኹም ደኣ፡ዘረባኹም ፈጺሙ ባዶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ 13 ካብ ኣምላኽ ዚውሃብ ግደ እቲ እኩይ፡+ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ዚቕበልዎ ርስቲ ጨቈንቲ እዚ እዩ። 14 ደቁ እንተ በዚሖም፡ ብሰይፊ ይወድቁ፣+ዘርኡ ኸኣ እኹል ምግቢ ኣይረኽቡን። 15 እቶም ተረፉ ብመቕዘፍቲ ይቕበሩ፣መበለታቶም ድማ ኣይበኽያሎምን። 16 ንብሩር ከም ሓመድ እኳ እንተ ዀመሮ፡ንብሉጽ ክዳውንቲ እውን ከም መሬት እኳ እንተ ደለቦ፡ 17 ዋላ እኳ እንተ ኣከቦ፡ጻድቕ ይኽደኖ፣+ንጹህ ከኣ ንብሩሩ ይማቐሎ። 18 እታ ዚሰርሓ ቤት፡ ከም ቆፎ ሓሰኻ ተነቃፊት እያ፣ከምታ ሓላዊ ዚሰርሓ ጎጆ እያ።+ 19 ሃብቲሙ ይድቅስ፣ ግናኸ፡ ሓንቲ እኳ ኣይእክብን፣ኣዒንቱ ምስ ከፈተ፡ ኣብኡ ሓንቲ እኳ ኣይትህሉን። 20 ሽበራ ኸም ውሒዝ የርክቦ፣ህቦብላ ኸኣ ብለይቲ ይምንዝዖ።+ 21 ንፋስ ምብራቕ ይወስዶ እሞ ይኸይድ፣ካብ ቦታኡ ይጸርጎ።+ 22 ካብ ሓይሉ ንምህዳም ሒዅ ኪብል ከሎ፡+ብዘይ ድንጋጽ ናብኡ ይውርወር።+ 23 ብኣእዳዉ የጣቕዓሉ፣ካብ ቦታኡ ድማ የፋጽየሉ።*+ 13 “እወ፡ ዓይነይ እዚ ዅሉ ርእያ፡እዝነይ እውን ሰሚዓቶን ተረዲኣቶን እያ። 2 ነቲ እትፈልጥዎ፡ ኣነ እውን እፈልጦ እየ፣ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ። 3 ኣነስ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክዛረቦ ይሕሸኒ፣ምስ ኣምላኽ ክማጐት ከኣ እደሊ ኣለኹ።+ 4 ንስኻትኩም ግና ብሓሶት ትጥቅኑኒ ኣለኹም፣ኵላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓካይም ኢኹም።+ 5 ስቕ እንተ ትብሉስ፡ጥበብ ምዀነልኩም ነይሩ።+ 6 ንመጐተይ በጃኹም ስምዑ፣ናብ ልማኖ ኸናፍረይ ኣቕልቡ። 7 ኣብ ክንዲ ኣምላኽሲ ብዓመጻዶ ኽትዛረቡ፡ምእንታኡኸ ብተንኰልዶ ኽትዛረቡ ኢኹም፧ 8 ምስኡዶ ኽትውግኑ ኢኹም፧* ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽዶኸ ኽትማጐትሉ ኢኹም፧ 9 ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ እዩ፧+ ከምቲ ንመዋቲ ሰብ እተዐሽውዎዶ ኸተዐሽውዎ ኢኹም፧ 10 ብሕቡእ ከተዳልዉ እንተ ፈቲንኩም፡ንሱ ብርግጽ ኪገንሓኩም እዩ።+ 11 ክብሩዶ ኣይኬሸብረኩምን እዩ፧ ራዕዱዶኸ ኣይኪወድቀኩምን እዩ፧ 12 ጥበባዊ* ብሂልኩምሲ ምስላታት ሓምዅሽቲ እዩ፣መከላኸሊኹም* ካብ መሬት ከም እተገብረ መከላኸሊ ተሰባሪ እዩ። 13 ክዛረብሲ ኣብ ቅድመይ ስቕ በሉ። ድሕሪኡ፡ ዝወረደ ይውረደኒ! 14 ስለምንታይ እየ ንርእሰይ ኣብ ሓደጋ ዘእትዋ፡*ንህይወተይ* እውን ኣብ ኣእዳወይ ዘንብራ፧ 15 እንተ ዝቐትለኒ እኳ ምተጸበኹ፣+ብዛዕባ ነገረይ* ኣብ ቅድሚ ገጹ ምተማጐትኩ። 16 ሽዑ፡ ንሱ ድሕነተይ ምዀነ፣+ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብሲ* ኣብ ቅድሚኡ ኣይኣቱን እዩ።+ 17 ቃለይ ተጠንቂቕኩም ስምዑ፣ናብቲ ዝብሎ ድማ ኣቕልቡ። 18 እንሆ ሕጂ፡ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣለኹ፣ቅኑዕ ከም ዝዀንኩ እፈልጥ እየ። 19 መን እዩ ዚከራኸረኒ፧ ስቕ እንተ ዝብልሲ፡ ምሞትኩ!* 20 ካብ ቅድሜኻ ኸይሕባእሲ፡ኦ ኣምላኽ፡ ክልተ ነገር ጥራይ ሃበኒ፦* 21 ነታ ኸባድ ኢድካ ኻባይ ኣርሕቃ፣ፍርህኻ ኸኣ ኣየሸብረኒ።+ 22 ወይ ጸውዓኒ፡ ክምልስ፣ወይ ክዛረብ፡ መልሰለይ። 23 ስሕተተይን ሓጢኣተይን እንታይ እዩ፧ ኣበሳይን ሓጢኣተይን ግለጸለይ። 24 ስለምንታይ ገጽካ እትሓብኣለይ፡+ከም ጸላኢኻ እውን እትቘጽረኒ፧+ 25 ንፋስ ንዚወስዶ ቘጽሊዶ ኸተፈራርሆ ትፍትን ኢኻ፧ ንንቑጽ ሓሰርዶኸ ትሰጕጎ ኢኻ፧ 26 ኣንጻረይሲ መሪር ክስታት ትምዝግብ ኣለኻ፣ብሓጢኣት ንእስነተይ ድማ ተሓታቲ ትገብረኒ ኣለኻ። 27 ንኣእጋረይ ኣብ ጕንዲ ኣእቲኻየን ኣለኻ፣ንዅሉ መገድታተይ ትቋመቶ ኣለኻ፣ኣስኣሰረይ ትከታተለኒ ኣለኻ። 28 ሰብሲ* ኸም ዝበስበሰ ነገር፡ከም ብብልዒ እተበልዐ ዓለባ ይበሊ። 5 “በጃኻ ጸውዕ! ዚምልሰልካዶ ኣሎ፧ ናብ ኣየኖት ቅዱሳት ኢኻ ግልጽ ክትብል፧ 2 ንዓሻስ ቅሬታ ኪቐትሎ፡ንሃላይ ከኣ ቅንኣት ኬሙቶ እዩ። 3 ዓሻ ሱር ሰዲዱ ርእየ፣ብሃንደበት ግና መንበሪኡ ተረጊሙ። 4 ደቁ ኻብ ድሕንነት ርሑቓት እዮም፣ዜድሕኖም ዘይብሎም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ይጭፍለቑ።+ 5 ነቲ ዝዓጸዶ፡ ዝጠመየ ይበልዖ፣ካብ መንጎ ኣእሻዅ እኳ ይወስዶ፣ጥሪቶም ከኣ ኣብ መፈንጠራ ይኣቱ። 6 ጕድኣትሲ ኻብ ሓመድ ኣይወጽእን፣ሽግር ድማ ካብ ምድሪ ኣይበቍልን እዩ። 7 ከምቲ ቝልዒ ሓዊ ንላዕሊ ዚነጥርሲ፡ሰብ ንሽግር እዩ ዚውለድ። 8 ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ ምጠራዕኩ፣ነገረይ ከኣ ናብ ኣምላኽ መቕረብኩ፣ 9 ናብቲ ዓብይን ዘይምርመርን ነገራት፡ናብቲ ዜደንቕ ነገራት ብዘይ ቍጽሪ ዚገብር መቕረብኩ። 10 ንሱ ንምድሪ ዝናም ይህብ፡ናብ ልዕሊ ግራውቲ ኸኣ ማያት ይሰድድ። 11 ንትሑታት ልዕል የብሎም፡ንጕሁያት ድማ ናብ ድሕነት የተንስኦም። 12 ተግባር ኣእዳዎም ምእንቲ ኸይሰልጥሲ፡ተንኰል ጐራሓት የፍሽል። 13 ውጥን ጐራሓት ምእንቲ ኺተዓናቐፍ፡ንጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም።+ 14 ብመዓልቲ ምስ ጸልማት ይጓነፉ፣ብቐትሪ ድማ ከም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ። 15 ንሱ ኻብ ሰይፊ ኣፎም የድሕን፣ንድኻ ኻብ ኢድ ሓያል የድሕኖ። 16 ስለዚ፡ ንትሑት ተስፋ ኣለዎ፣ኣፍ ዓመጻ ግና ትዕጾ። 17 እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዚገንሖ ሰብ ሕጉስ እዩ፣ስለዚ፡ ተግሳጽ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣይትንጸግ። 18 ንሱስ የቐንዙ፡ ግናኸ ነቲ ቝስሊ ይዝንን፣ይሰብር፡ ግናኸ ብኣእዳዉ የሕዊ። 19 ካብ ሽዱሽተ መዓት ኬድሕነካ፡ሻውዓይ እውን ኣይኪጐድኣካን እዩ። 20 ብግዜ ጥሜት ካብ ሞት፡ብግዜ ውግእ እውን ካብ ሓይሊ ሰይፊ ኺብጀወካ እዩ። 21 ካብ ሓለንጊ ልሳን ክትዕቈብ፡+ጥፍኣት ምስ መጸ እውን ኣይክትፈርህን ኢኻ። 22 ንጥፍኣትን ንጥሜትን ክትስሕቆም፡ንኣራዊት ምድሪ እውን ኣይክትፈርሆምን ኢኻ። 23 ኣእማን መሮርሲ ኣይኪጐድኣካን እዩ፣*ኣራዊት መሮር እውን ምሳኻ ሰላም ኪገብሩ እዮም። 24 ድንኳንካ ሰላም ምዃና ኽትፈልጥ ኢኻ፣መጓሰዪኻ ኽትምርምር ከለኻ እውን ገለ እኳ ኣይኪጐድልን እዩ። 25 ዘርእኻ ብዙሕ ብምዃኑ ኽትሕጐስ ኢኻ፣ውሉዳትካ ድማ ከም ኣትክልቲ ምድሪ ኺስስኑ እዮም። 26 ከምቲ ብግዜኡ እተኣከበ እንዳእቲ፡ምስ ሓይልኻ ናብ መቓብር ክትከይድ ኢኻ። 27 እንሆ፡ ንሕና ነዚ መርሚርናዮ፡ ከምኡ ድማ እዩ። ንስኻ እውን ስማዕ፡ ተቐበሎ ኸኣ።” 21 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ዝብሎ እስከ ተጠንቂቕኩም ስምዑ፣ምጽንናዕኩም ከኣ እዚ ይኹን። 3 ክዛረብሲ ተዓገሱኒ፣ምስ ተዛረብኩ፡ ሽዑ ኸተላግጹ ትኽእሉ ኢኹም።+ 4 መረረተይ ንሰብ ድየ ዝገልጽ ዘለኹ፧ እንተ ዚኸውንሲ፡ ዓቕሊዶ ኣይመጽበብኩን፧* 5 ርኣዩኒ፡ ተገሪምኩም ከኣ ጠምቱኒ፣ኢድኩም እውን ኣብ ኣፍኩም ኣንብሩ። 6 ክሓስቦ ኸለኹ፡ እርበሽ፡ብዘሎ ሰብነተይ እውን ፈጥፈጥ ይብል። 7 ስለምንታይ እዮም እኩያት ብህይወት ዚነብሩን+ዚኣርጉን ዚህብትሙን፧*+ 8 ዘርኦም ወትሩ ኣብ ቅድሚኦም እዮም፣ውሉዳቶም ከኣ ይርእዩ። 9 ኣባይቶም ደሓን እዩ፡ ንሳቶም እውን ብዘይ ፍርሂ እዮም፣+ኣምላኽ ድማ ብሻቦጡ ኣይቀጽዖምን። 10 ብዕራዮም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍን፣ላሞም እውን ከየቘልዐት ትወልድ። 11 ኣወዳቶም ከም መጓሰ ኣብ ግዳም ይጐይዩ፣ደቆም ከኣ ይሰራሰሩ። 12 ብኸበሮን ብመሰንቆን* ይደርፉ፣ብደሃይ ሻምብቆ* ድማ ይሕጐሱ።+ 13 መዓልትታቶም ብዕግበት የሕልፉ፣ብሰላም* እውን ናብ መቓብር* ይወርዱ። 14 ግናኸ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ‘ሕደገና! መገድታትካ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና።+ 15 እነገልግሎስ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል መን እዩ፧+ ምስኡ ምፍላጥናኸ እንታይ ይጠቕመና፧’ ይብልዎ።+ 16 ንብልጽግናኦም ከም ዘይቈጻጸርዎ ግና እፈልጥ እየ።+ ሓሳብ* እኩያት ካባይ ርሑቕ እዩ።+ 17 ክንደይ ሳዕ እዩ መብራህቲ እኩያት ዚጠፍእ፧+ ክንደይ ሳዕ እዩ መዓት ዚወርዶም፧ ክንደይ ሳዕከ እዩ ኣምላኽ ብቝጥዓኡ ጥፍኣት ዜምጽኣሎም፧ 18 ኣብ ቅድሚ ንፋስ ከም ሓሰር፡ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ዚወስዶ ብቝቡቕዶ ይዀኑ እዮም፧ 19 ኣምላኽሲ መቕጻዕቲ ሰብ ንደቁ ይዓቝሮ። ንሱ ምእንቲ ኺፈልጦ ኢሉ ግና፡ ኣምላኽ ይፍደዮ።+ 20 ኣዒንቱ ጥፍኣቱ ይርኣያ፣ካብ ቍጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ከኣ ይስተ።+ 21 ቍጽሪ ኣዋርሑ ምስ ሓጸረስ፡*ብዛዕባ እቲ ቤቱ እትዀኖ ነገር እንታይ ይግድሶ፧+ 22 ኣምላኽ ነቶም ዝለዓሉ እኳ ኻብ ዚፈርድሲ፡+ፍልጠት ኪምህሮ* ዚኽእልዶ ኣሎ፧+ 23 ገሊኡ ሰብ ግና ምስ ምሉእ ሓይሉ ኸሎ፡+ምሉእ ብምሉእ እውን ቀሲኑን ሃዲኡን ከሎ ይመውት፣+ 24 ሰለፉ ብስብሒ መሊኡ ኸሎ፡ኣዕጽምቱ ኸኣ ብድልዱሉ ኸሎ* ይመውት። 25 ካልእ ሰብ ግና ጽቡቕ ከይጠዓመ፡ብዙሕ እናተጨነቐ* ይመውት። 26 ብሓደ ኣብ ሓመድ በጥ ይብሉ፣+ሓሳኹ ድማ ይኸድንዎም።+ 27 እንሆ፡ ሓሳባትኩምንንምብዳለይ* እተበላሓትኩምዎ ተንኰልን ብልክዕ እፈልጦ እየ።+ 28 ንስኻትኩምሲ፡ ‘ቤት እቲ ምርኡይ ኣበይ እዩ፧ እኩይ ዚነብረሉ ድንኳንከ ኣበይ እዩ፧’ ትብሉ።+ 29 ንተጓዓዝቲዶ ኣይሓተትኩምን ኢኹም፧ ትዕዝብትታቶምከ* ተጠንቂቕኩምዶ ኣየጽናዕኩምን ኢኹም፧ 30 እኩይ ብመዓልቲ ጥፍኣት ከም ዚነሓፍ፡ብመዓልቲ ነድሪ ኸም ዚናገፍዶ ኣየጽናዕኩምን ኢኹም፧ 31 ብዛዕባ መገዱ መን ኣብ ገጹ ይዛረቦ፧ ከምቲ ዝገበሮኸ መን ይፈድዮ፧ 32 ናብ መቓብር ምስ ተወስደ፡መቓብሩ ይሕሎ። 33 ድንኩል መሬት እቲ ስንጭሮ* ጥዑም ይዀነሉ፣+ኵሉ ሰብ ድማ ደድሕሪኡ ይስዕብ፣*+ቀቅድሚኡ ኸኣ ቍጽሪ ዘይብሎም ይኸዱ። 34 ስለምንታይ ደኣ እሞ ትርጉም ዘይብሉ መጸናንዒ እትህቡኒ፧+ ኣብ መልስኹም ብዘይካ ምትላል ካልእ የልቦን።” 15 ኤሊፋዝ+ እቲ ቴማናዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ጥበበኛ ሰብዶ ብባዶ መጐተ* ይምልስ እዩ፧ ወይስ ብንፋስ ምብራቕዶ ኸብዱ ይመልእ እዩ፧ 3 ብቓላት ጥራይ ምግናሕ ኣይጠቅምን እዩ፣ዘረባ ጥራይ ከኣ ኣይረብሕን እዩ። 4 ንስኻስ ንፍርሃት ኣምላኽ ተዳኽሞ፡ንኣምላኽ ምሕሳብ ድማ ተቃልሎ ኣለኻ። 5 ስሕተትካስ ነቲ እትብሎ ይጸልዎ ኣሎ፣*ዘረባ ጕርሒ ኸኣ ትሓሪ ኣለኻ። 6 ኣፍካ እያ እትዅንነካ ዘላ፡ ኣነ ኣይኰንኩን፣ከናፍርካ እየን ኣንጻርካ ዚምስክራ ዘለዋ።+ 7 እቲ ቐዳማይ እተወልደ ሰብዶ ንስኻ ኢኻ፧ ወይስ ቅድሚ ዅርባታትዶ ተወሊድካ ኢኻ፧ 8 ንምስጢራዊ ዘረባ ኣምላኽዶ ትሰምዖ ኢኻ፧ ወይስ ንጥበብዶ ንበይንኻ ጌርካያ ኢኻ፧ 9 ንሕና ዘይንፈልጦስ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ፧+ ንሕና ዘይተረዳእናዮኸ ንስኻ እንታይ ትርዳእ፧ 10 ብዕድመ ኻብ ኣቦኻ እኳ ኣጸቢቖም ዚዓብዩሸያባትን ኣረገውትን ኣብ መንጎና ኣለዉ።+ 11 መጸናንዒ ኣምላኽወይ ብልእመት እተዘርበካ ቓላትዶ ኣይኣኽለካን፧ 12 ስለምንታይ እዩ ልብኻ ዚወስደካ ዘሎ፧ ስለምንታይከ እየን ኣዒንትኻ ብቝጥዓ ዜፍጥጣ ዘለዋ፧ 13 ንመንፈስካስ ኣንጻር ኣምላኽ ትገብሮ ኣለኻ፣ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኸኣ ካብ ኣፍካ ተውጽእ ኣለኻ። 14 መዋቲ ሰብ ንጹህ ዚኸውን፡ወይ ውሉድ ሰበይቲ ጻድቕ ዚኸውንሲ መን እዩ፧+ 15 እንሆ፡ ንሱ ንቕዱሳቱ ኣይኣምኖምን፡ሰማያት እኳ ኣብ ኣዒንቱ ንጹህ ኣይኰነን።+ 16 ፍንፉንን ብልሹውን ሰብ፡እቲ ንዓመጻ ኸም ማይ ዚሰቲ ሰብ ግዳ ኽንደይ ዘይገድድ!+ 17 ክነግረካስ፡ ስምዓኒ! ዝረኣኽዎ ኸዘንትወልካ እየ፣ 18 እቲ ጥበበኛታት ካብ ኣቦታቶም እተቐበልዎ እሞ+ዘዘንተውዎ እምበር ዘይሓብእዎ ኸዘንትወልካ እየ። 19 ምድሪ ንበይኖም ተዋሂባቶም፣ብመንጎኦም ድማ ካልእ ኣይሓለፈን። 20 እኩይ ኵሉ መዓልትታቱ፡ብዅሉ እቲ ንጨቋኒ እተመደበ ዓመታት ይሳቐ። 21 ዜሸብር ደሃይ ኣብ ኣእዛኑ ኣሎ፣+ብግዜ ሰላም፡ ዘመትቲ የጥቅዕዎ። 22 ካብ ጸልማት ከም ዜምልጥ ኣይኣምንን፣+ንሰይፊ እተሓዝአ እዩ። 23 እንጌራ ደልዩ ዀለል ይብል፡—ኣበይ ኣሎ፧ መዓልቲ ጸልማት ከም ዝቐረበት ኣጸቢቑ ይፈልጥ። 24 ጭንቅን ጓህን የሸብርዎ፣ኬጥቅዕ ከም እተዳለወ ንጉስ ኰይኖም ይሕይልዎ። 25 ኣንጻር ኣምላኽሲ ኢዱ የልዕል፡ነቲ ዅሉ ዚኽእል እውን ኪዳፈሮ* ይፍትን፣ 26 ረጒድ ድልዱል ዋልታ* ሒዙ፡ብንቕጽና ኣንጻሩ ይሓንን፣ 27 ገጹ ብስብሒ ይሽፍን፡ሕቘኡ ብስብሒ የህጥር፣ 28 ኣብ ዚዓንዋ ኸተማታት፡ኵምራ ኣእማን ኣብ ዚዀናሓደ እኳ ኣብ ዘይቅመጠን ኣባይቲ ይነብር። 29 ንሱ ኣይብልጽግን፡ ሃብቱ ድማ ኣይውህለልን፡ጥሪቱ እውን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይዝርጋሕን። 30 ካብ ጸልማት ኣየምልጥን፣ሃልሃልታ ንውልዶኡ* የሕርሮ፡ብሃፈጽታ ኣፍ ኣምላኽ* ከኣ ይሓልፍ።+ 31 ዓስቡ ኸንቱ እዩ ዚኸውን እሞ፡ስሒቱ ብኸንቱ ኣይተኣመን። 32 እዚ እውን ቅድሚ መዓልቱ እዩ ዚኸውን፣ጨናፍሩ ድማ ኣይኪልምልምን እዩ።+ 33 ዘይበሰለ ፍረ ወይኒ ኸም እተውድቕ ተኽሊ ወይኒ፡ዕምባባኡ ኸም ዜርግፍ ኦም ኣውልዕ ይኸውን። 34 ኣኼባ እቶም ኣምላኽ ዘይብሎምሲ* መኻን እዩ፣+ንድንኳናት ጉቦ ኸኣ ሓዊ ኺበልዖ እዩ። 35 ሽግር ጠኒሶም፡ እከይ ይወልዱ፣ማሕጸኖም ድማ ተንኰል የፍሪ።” 22 ኤሊፋዝ+ እቲ ቴማናዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ 2 “ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ፧ ልቦና ዘለዎዶኸ ኺረብሖ ይኽእል እዩ፧+ 3 እቲ ዅሉ ዚኽእልሲ ጻድቕ ምዃንካዶ የገድሶ* እዩ፧ ወይስ ንመገዲ ንጽህና ስለ ዝሰዓብካስ ረብሓዶ ይረክብ እዩ፧+ 4 ስለ ዝፈራህካዮዶ ይቐጽዓካ እዩ፧ ምሳኻኸ ናብ ፍርዲዶ ይኣቱ እዩ፧ 5 ክፍኣትካ ዓብዪ ስለ ዝዀነ፡ስሕተትካ ኸኣ መወዳእታ ስለ ዘይብሉ ደይኰነን፧+ 6 ብዘይ ምኽንያትሲ ኻብ ሓውካ ትሕጃ ሒዝካ፣ንሰባት ክዳውንቶም ቀንጢጥካ ዕሩቓት ጌርካዮም።*+ 7 ንድኹም ማይ ኣየስተኻዮን፣ንጥሙይ እውን እንጌራ ኸሊእካዮ።+ 8 እዛ ምድሪ ናይ ብርቱዕ ሰብ ኰይና፣+እቲ ሓለፋ ዚግበረሉ ድማ ይቕመጣ። 9 ንመበለታት ግና ጥራይ ኢደን ኣሰናቢትካየን፣ቀላጽም ዘኽታማት* ከኣ ጨፍሊቕካ። 10 ስለዚ ኢኻ ብመጻወድያ* እተኸበብካ፣+ሃንደበታዊ ሽበራ ድማ የፍርሃካ ኣሎ፣ 11 ስለዚ ኢኻ ጸልማት ስለ ዝዀነ፡ ክትርኢ ዘይከኣልካ፣ወሓዚ ማይ እውን የጐልብበካ ኣሎ። 12 ኣምላኽሲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ደይኰነን፧ ኵሉ ኸዋኽብቲ ኽሳዕ ክንደይ ላዕሊ ምዃኑ ኸኣ ርአ። 13 ንስኻ ግና፡ ‘ኣምላኽከ እንታይ ይፈልጥ፧ ብርቱዕ ድነ ሓሊፉዶ ኺፈርድ ይኽእል እዩ፧ 14 ኣብ ጉባ* ሰማይ ኪመላለስ ከሎ፡ከይርኢ ደበናታት ይጋርዶ’ ኢልካ። 15 እታ እኩያት ሰባት እተመላለሱላጥንታዊት መገዲዶ ኽትስዕብ ኢኻ፧ 16 ንሳቶምሲ ቕድሚ ግዜኦም እተመንዝዑ፡*መሰረቶም እውን ብውሒዝ* እተወስደ ሰባት እዮም።+ 17 ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ‘ሕደገና! እቲ ዅሉ ዚኽእልከ እንታይ ኪገብረና ይኽእል፧’ ይብልዎ ነይሮም። 18 ግናኸ፡ ንኣባይቶም ብጽቡቕ ነገር ዝመልአ ንሱ እዩ። (ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ሓሳብ ካባይ ርሑቕ እዩ።) 19 ጻድቃን ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ፡ንጹሃት ድማ ከምዚ ኢሎም ኬላግጹሎም እዮም፦ 20 ‘ተጻረርትና ተደምሲሶም ኣለዉ፣ካባታቶም ንዝተረፉ እውን ሓዊ ኺበልዖም እዩ።’ 21 ፍለጦ እሞ፡ ሰላም ኪህልወካ እዩ፣ጽቡቕ ነገር ከኣ ክትረክብ ኢኻ። 22 ካብ ኣፉ ሕጊ ተቐበል፣ንቓሉ ድማ ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።+ 23 ናብቲ ዅሉ ዚኽእል እንተ ተመሊስካ፡ንዓመጻ እውን ካብ ድንኳንካ እንተ ኣርሒቕካ፡ ዳግም ክትህነጽ ኢኻ።+ 24 ወርቅኻ* ናብ ሓመድ፡ወርቂ ኦፊር+ ከኣ ናብ ስንጭሮታት* ኣኻውሕ እንተ ደርቢኻዮ፡ 25 ሽዑ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ወርቅኻ፡*ብሉጽ ብሩርካ ኪኸውን እዩ። 26 ሽዑስ፡ በቲ ዅሉ ዚኽእል ደስ ኪብለካ፡ገጽካ እውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ። 27 ክትልምኖ፡ ንሱ ኸኣ ኪሰምዓካ እዩ፣መብጽዓታትካ ድማ ክትፍጽም ኢኻ። 28 ክትገብሮ ዝወሰንካዮ ዘበለ ኪቐንዓካ፡ብርሃን እውን ኣብ መገድኻ ኼብርሃልካ እዩ። 29 ብትዕቢት ምስ ተዛረብካስ፡ ክትዋረድ ኢኻ፣ግናኸ፡ ንሱ ንትሑት* ኬድሕኖ እዩ። 30 ንንጹሃት ኬናግፎም እዩ እሞ፡ኣእዳውካ ንጹሃት እንተ ዀይነን፡ ብርግጽ ክትናገፍ ኢኻ።” 42 ሽዑ፡ እዮብ ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ 2 “ሕጂ፡ ኵሉ ኸም እትኽእል፡ካብቲ ኽትገብሮ ዝሓሰብካዮ ድማ ዘይከኣለካ ኸም ዘየልቦ ፈሊጠ።+ 3 ‘ንምኽረይ ብዘይ ፍልጠት ዜጸልምቶ እዚ መን እዩ፧’ ኢልካ።+ ስለዚ፡ ኣነ ንዘይተረዳእክዎ፡እምብዛ ንዜደንቐኒ ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ።+ 4 ‘በጃኻ ስምዓኒ እሞ፡ ክዛረበካ። ኣነ ኽሓትተካ፡ ንስኻ እውን ኣፍልጠኒ’ ኢልካ።+ 5 ኣእዛነይ ብዛዕባኻ ሰሚዐን ነይረን፣ሕጂ ግና ብኣዒንተይ ርእየካ። 6 ስለዚ እየ ነቲ ዝበልክዎ ዝስሕቦ ዘለኹ፣+ኣብ ሓመድን ሓምዅሽትን ኰይነ ኸኣ ዝንሳሕ ዘለኹ።”+ 7 የሆዋ ንእዮብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ የሆዋ ንኤሊፋዝ እቲ ቴማናዊ ኸምዚ በሎ፦ “ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ሓቂ ስለ ዘይተዛረብኩም፡+ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ኽልተ ብጾትካን+ ቍጥዓይ ነዲዱ ኣሎ። 8 ሕጂ ድማ፡ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ወሲድኩም ናብ ጊልያይ እዮብ ኪዱ፣ ምእንቲ ርእስኹም ከኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕርቡ፣ ጊልያይ እዮብ እውን ኪጽልየልኩም እዩ።+ ከምቲ ጊልያይ እዮብ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ሓቂ ኣይተዛረብኩምን እሞ፡ ከምቲ ዕሽነትኩም ከይገብረኩምሲ፡ ንልማኖኡ ብርግጽ ክቕበሎ እየ።”* 9 ሽዑ፡ ኤሊፋዝ እቲ ቴማናውን ቢልዳድ እቲ ሹሓውን ሶፋር እቲ ናዓማውን ከይዶም ከምቲ የሆዋ ዝበሎም ገበሩ። የሆዋ ድማ ንጸሎት እዮብ ተቐበሎ። 10 እዮብ ምእንቲ ብጾቱ ምስ ጸለየ፡+ የሆዋ ንጸበባ እዮብ ኣርሓቖ፡+ ንብልጽግናኡ እውን መለሶ።* የሆዋ ኸኣ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ፡ ዕጽፊ ገይሩ ሃቦ።+ 11 ኵሎም ኣሕዋቱን ኵለን ኣሓቱን ኵሎም ናይ ቀደም ፈተውቱን+ ናብኡ መጺኦም፡ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጌራ በልዑ። ብዅሉ እቲ የሆዋ ኺወርዶ ዝፈቐዶ መዓት ድማ ደንገጹሉን ኣጸናንዕዎን። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ሓሓንቲ ቀሲጣን* ሓሓንቲ ቐለቤትን ሃብዎ። "12 የሆዋ ድማ ነቲ ዳሕራይ ክፋል ህይወት እዮብ ካብቲ ቐዳማዩ ኣብሊጹ ባረኾ፣+ እዮብ ከኣ፡ 14,000 በጊዕ፡ 6,000 ገመል፡ 1,000 ጽምዲ ብዕራይ፡ 1,000 ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ።+" 13 ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ድማ ነበርዎ።+ 14 ነታ ቐዳመይቲ ጓሉ ይሚማ፡ ነታ ኻልአይቲ ቅጺዓ፡ ነታ ሳልሰይቲ ኸኣ ቄርን-ሃጱኽ ኢሉ ሰመየን። 15 ኣብ ኵላ እታ ምድሪ፡ ማዕረ ኣዋልድ እዮብ መልክዐኛታት ዝዀና ኣንስቲ ኣይነበራን፣ ኣቦአን ድማ ምስ ኣሕዋተን ርስቲ ሃበን። 16 ድሕርዚ፡ እዮብ 140 ዓመት ብህይወት ጸንሐ፣ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ረኣየ። 17 እዮብ ድማ ኣሪጉን ዕድመ* ጸጊቡን ሞተ። 39 “ነቲ ወይጠል እትወልደሉ ግዜዶ ትፈልጦ፧+ እራብ ክትወልድ ከላ ተዓዚብካዶ ትፈልጥ፧+ 2 ንምብጻሕ ኣዋርሐን ትቘጽሮዶ፧ ነቲ ዚወልዳሉ ግዜኸ ትፈልጦዶ፧ 3 ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፣ጻዕረን ከኣ የብቅዕ። 4 መሓስአን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ድማ ይዓብያ፣ይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን። 5 ንኣድጊ በረኻ* ሓራ ዘውጽኦ መን እዩ፧+ ንኣግማድ ኣድጊ በረኻ ዝፈትሖኸ መን እዩ፧ 6 ጐልጐል ምድረ በዳ ቤቱ፡ምድሪ ጨው ከኣ መንበሪኡ ገይረዮ እየ። 7 ንህውከት ከተማ የባጭወሉ፣ጭድርታ ዀብካቢ ድማ ኣይሰምዕን። 8 ዚበልዓሉ ቦታ ደልዩ ዅዶዅዶታት ይዘውር፣ለምለም ተኽሊ እውን የናዲ። 9 ጐባይ ኬገልግለካዶ ፍቓደኛ እዩ፧+ ኣብ ደምበኻስ* ይሓድርዶ፧ 10 ነግሒ ኼውጽኣልካ ኢልካስ ንጐባይ ብገመድ ትሕዞዶ፧ ወይስ ስንጭሮ ኺሓርሰልካ* ኢሉ ይስዕበካዶ፧ 11 በቲ ብዙሕ ሓይሉ ተኣሚንካስ፡ከቢድ ዕዮኻ ትገድፈሉዶ፧ 12 እኽሊ* ኼእትወልካስ ትኣምኖዶ፧ ንሱኸ ናብ ዓውድኻ ይእክቦዶ፧ 13 ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፣መንገብገባን ክንቲታን ግና ምስ ናይ ራዛ ኺወዳደርዶ ይኽእል፧+ 14 ንሳስ ንእንቋቝሖኣ ኣብ ምድሪ ትሓድጎ፣ኣብ ሓመድ እውን ተሙቖ። 15 እግሪ ኺጭፍልቖ፡ወይ እንስሳ ዘገዳም ኪረግጾ ኸም ዚኽእል ትርስዕ። 16 ንደቃ ኸም ዘይናታ ትጭክነሎም፣+ጻዕራ ኸንቱ ኸይከውን ኣይትፈርህን። 17 ኣምላኽሲ ጥበብ ከሊእዋ፣*ኣእምሮ እውን ኣይዓደላን። 18 ብድድ ኢላ ኣኽናፋ ምስ ኣንገብገበት ግና፡ንፈረስን ንተወጣሒኡን ትስሕቆም። 19 ንፈረስ ሓይሊ እትህቦ ንስኻ ዲኻ፧+ ንኽሳዱኸ ዘውዘው ዚብል ጕንጕነዶ ኣልቢስካዮ ኢኻ፧ 20 ከም ኣንበጣ ኸተሰራስሮዶ ትኽእል፧ እቲ ግሩም ኵሪፍታኡ ዜሸብር እዩ።+ 21 ኣብ ስንጭሮ እናጻሕተረ ብሓይሊ ይፍሳህ፣+ናብ ውግእ ከኣ ይጠንን።*+ 22 ንፍርሂ ይስሕቆ፡ ዜፍርሆ ድማ የብሉን።+ ብሰሪ ሰይፊ እውን ኣይምለስን። 23 ጕልድባ ኣብ ልዕሊኡ ጭዋሕዋሕ ይብል፣ኲናትን መዝረቕን ማሕማሕ ይብል። 24 ረሲኑ እናኣንደቕደቐ ንቕድሚት ይሓንን፣*ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዐ ኸኣ፡ ደው ኪብል ኣይክእልን።* 25 መለኸት ምስ ተነፍሐ፡ ‘ኣሃ!’ ይብል፣ንውግእ ካብ ርሑቕ የሽትቶ፣ወኻዕታ ኣዘዝትን ጭድርታ ውግእን ድማ ይሰምዕ።+ 26 ተገዳር ሓረስታይ ናብ ላዕሊ ዚበርር፡ኣኽናፉ ኸኣ ናብ ደቡብ ዚዝርግሕ ብኣእምሮኻ ድዩ፧ 27 ንስሪ ናብ ላዕሊ ዚነፍር፡+ኣብ ላዕሊ ድማ ሰፈሩ ዚሰርሕ ብትእዛዝካ ድዩ፧+ 28 ኣብ ጸድፊ ዚሓድር፡ኣብ ዕርዱ ኣብ ዓብዪ ኸውሒ* ዚቕመጥከ ብትእዛዝካ ድዩ፧ 29 ካብኡ ምግቡ ይደሊ፣+ኣዒንቱ ናብ ርሑቕ ይጥምታ። 30 ጨቓዊቱ ደም ይመጽዩ፣ቅቱላት ኣብ ዘለውዎ ኸኣ፡ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።”+ 113 ንያህ ወድስዎ!* ኣቱም ገላዉ የሆዋ፡ ወድሱ፣ስም የሆዋ ወድሱ። 2 ካብ ሕጂ ንዘለኣለም፡ስም የሆዋ ይወደስ።+ 3 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡*ስም የሆዋ ይወደስ።+ 4 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣+ክብሩ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።+ 5 ከምቲ ኣብ ላዕሊ* ዚቕመጥየሆዋ ኣምላኽና ዝበለ መን እዩ፧+ 6 ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኪርኢ ይደንን እሞ፡+ 7 ንትሑት ካብ ሓመድ የተንስኦ፣ንድኻ ኻብ ኵምራ ሓምዅሽቲ* የልዕሎ፣+ 8 ምስ ልዑላን፡ምስ ናይ ህዝቡ ልዑላን ከኣ የቐምጦ፣ 9 ንመኻን ሕጕስቲ ኣደ ቘልዑ ገይሩቤት ይህባ።+ ንያህ ወድስዎ!* 81 ንኣምላኽ፡ ነቲ ብርታዐና፡ እልል በሉሉ።+ ንኣምላኽ ያእቆብ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ። 2 ሙዚቃ ጀምሩ፡ከበሮን ጥዑም መሰንቆ* ምስ በገናን ውሰዱ። 3 ብሰርቂ ወርሒ፡+ ብምልእቲ ወርሒ፡ንመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ።+ 4 እዝስ ናይ እስራኤል ስርዓት፡ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ብይን እዩ።+ 5 ንሱ ኣንጻር ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፡+ነዚ፡ ንዮሴፍ መዘኻኸሪ ኪኸውን ኣቘሞ።+ ዘይፈልጦ ድምጺ* ኸምዚ ኺብል ሰማዕኩ፦ 6 “ካብ መንኵቡ ጾር ኣልዓልኩ፣+ኣእዳዉ ኻብ ከፈር ሓራ ዀና። 7 ብጭንቅኻ ኣእወኻ፡ ኣነ እውን ኣናገፍኩኻ፣+ካብ ነጐድጓዳዊ ደበና* መለስኩልካ።+ ኣብ ማይ መሪባ* ፈተንኩኻ።+ (ሴላ) 8 ኣታ ህዝበይ፡ ስማዕ፡ ኣነ ድማ ኣንጻርካ ኽምስክር እየ። ኦ እስራኤል፡ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ!+ 9 ኣብ መንጎኻ፡ ካልእ ኣምላኽ ኣይኪኸውንን፡ንጓና ኣምላኽ እውን ኣይክትሰግድን ኢኻ።+ 10 ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽካ እየ።+ ኣፍካ ሃህ ኣብል፡ ኣነ ድማ ክመልኦ እየ።+ 11 ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣እስራኤል ከኣ ኪግዝኣኒ ኣይፈተወን።+ 12 ስለዚ፡ ንንቕጽና ልቦም ኪስዕቡ ሓደግክዎም፣ቅኑዕ ዝመሰሎም ገበሩ።*+ 13 ኣየ፡ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ!+ ኣየ፡ እስራኤል ብመገድታተይ እንተ ዚመላለስ!+ 14 ንጸላእቶም ቀልጢፈ መንበርከኽክዎም፣ኢደይ ኣንጻር ተጻረርቶም ምገበርኩ።+ 15 እቶም ንየሆዋ ዚጸልእዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሸቘጥቈጥ ኪብሉ፡መወዳእታኦም* ዘለኣለማዊ ኪኸውን እዩ። 16 ንሱ ግና ብሉጽ* ስርናይ ኪምግበካ፡*+ካብ ከውሒ ኸኣ መዓር ኬጽግበካ እዩ።”+ 17 ኦ የሆዋ፡ ፍትሒ ደልየ ዘቕርቦ ልማኖ ስማዕ፣ናብ ኣውያተይ ኣቕልብ፣ነቲ ብዘይ ምትላል ዘቕርቦ ጸሎተይ ስማዕ።+ 2 ፍትሓዊ ፍርዲ ፍረደለይ፣+ኣዒንትኻ ኸኣ ቅኑዕ ይርኣያ። 3 ንልበይ መርሚርካዮ፡ ብለይቲ ድማ ኣጸቢቕካ ተዓዚብካኒ ኢኻ፣+ኣጽሪኻኒ ኢኻ፣+ገለ ኽፉእ ከም ዘይሓሰብኩ ኽትረክብ ኢኻ፣ኣፈይ እውን ኣይጠሓሰትን። 4 ብዛዕባ ተግባራት ሰብሲ፡ከም ቃል ከናፍርካ፡ ካብ መገድታት ከተርቲ ርሒቐ።+ 5 ኣእጋረይ ከይዕንቀፍሲ፡ስጕምትታተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽንዓ።+ 6 ኦ ኣምላኽ፡ ክትምልሰለይ ኢኻ እሞ፡ እጽውዓካ ኣለኹ።+ እዝንኻ ናባይ ኣድንን።* ቃላተይ ስማዕ።+ 7 ኣታ ነቶም ኣብ የማነይቲ ኢድካ ዚምዕቈቡካብቶም ካባኻ ዝዓለዉ እተድሕን፡ብዜደንቕ መገዲ ብተኣማንነት ፍቕርኻ ኣርኢ።+ 8 ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልወኒ፣+ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሕብኣኒ።+ 9 ካብቶም ዜጥቅዑኒ እኩያት፡ካብቶም ኪቐትሉኒ ዚኸብቡኒ ጸላእተይ* ሓልወኒ።+ 10 ስምዒት ኣልቦ ዀይኖም* ኣለዉ፣ብኣፎም ከኣ ብትዕቢት ይዛረቡ፣ 11 ሕጂ ኸቢቦምና ኣለዉ፣+ኬውድቑናስ* ኣጋጣሚ ይጽበዩ ኣለዉ። 12 ጸላእየይ ከምቲ ንግዳዩ ኺሰላልዕ ዚህንጠ ኣንበሳ፡ከምቲ ተዀርምዩ ዜድቢ ሽደን ኣንበሳ እዩ። 13 ኦ የሆዋ፡ ክትገጥመሉን ከተውድቖን ተንስእ፣+ካብቲ እኩይ ብሰይፍኻ ኣናግፈኒ፣* 14 ካብቶም ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዝዀነ፡+በቲ ዘዳሎኻዮ ጽቡቕ ዘጽገብካዮም፡+ንብዙሓት ደቆም ድማ ርስቲ ዚገድፉ ሰብ እዛ ዓለም እዚኣ፡*ኦ የሆዋ፡ ካባታቶም ብኢድካ ኣናግፈኒ። 15 ኣነ ግና ብጽድቂ ገጽካ ኽርኢ እየ፣ኣብ ቅድሜኻ* ምንቃሕ የዕግበኒ እዩ።+ 60 ኦ ኣምላኽ፡ ደርቢኻና፣ ንመከላኸሊና ፈንጢስካዮ።+ ተቘጢዕካና፣ ሕጂ ግና ተመሊስካ ተቐበለና። 2 ንምድሪ ኣንቀጥቂጥካያ፣ ጨዲድካያ። ትፈርስ ኣላ እሞ፡ ጭዳዳ ጸግን። 3 ንህዝብኻ ሽግር ኣርኢኻዮ። ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቲኻና።+ 4 ሃዲሞም ንቐስቲ ኼስሕቱስ፡ንዚፈርሁኻ ምልክት ሃቦም።* (ሴላ) 5 ፍቑራትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፡ብየማነይቲ ኢድካ ኣድሕነና፡ መልሰልና እውን።+ 6 ኣምላኽ ብቕድስናኡ* ተዛሪቡ፦ “ክፍሳህ፡ ንሴኬም ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣+ንስንጭሮ* ሱኮት ከኣ ክልክዖ እየ።+ 7 ጊልዓድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ እውን ናተይ እዩ፣+ኤፍሬም ቍራዕ* ርእሰይ እዩ፣ይሁዳ ዘንጊ ኣዛዝየይ እዩ።+ 8 ሞኣብ ዝሕጸበሉ ገበራ እዩ።+ ኣብ ልዕሊ ኤዶም ሳእነይ ክድርቢ እየ።+ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤም ብዓወት ክጭድር እየ።”+ 9 ናብታ እተኸብበት* ከተማ መን ኬምጽኣኒ እዩ፧ ክሳብ ኤዶምከ መን ኪመርሓኒ እዩ፧+ 10 ኣታ ደርቢኻና ዘለኻ ኣምላኽ፡ኣታ ምስ ሰራዊትና ዘይትወጽእ ዘለኻ ኣምላኽና፡ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 11 ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ እሞ፡ብግዜ ጭንቅና ርድኣና።+ 12 ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና፣+ንሱ ድማ ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።+ 30 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣልዒልካኒ* ኢኻ እሞ፡ ልዕል ከብለካ እየ፣ንጸላእተይ ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን።+ 2 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣነ ናባኻ ኣእውየ፡ ንስኻ እውን ኣሕዊኻኒ።+ 3 ኦ የሆዋ፡ ካብ መቓብር* ኣልዒልካኒ።*+ ብህይወት ኣንቢርካኒ፣ ናብ ጕድጓድ* ከይወርድ ኣድሒንካኒ።+ 4 ኣቱም እሙናቱ፡ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ፣*+ነቲ ቕዱስ ስሙ* ኣመስግንዎ፣+ 5 ቍጥዓኡስ ንቕጽበት እዩ፣+ሞገሱ* ግና ንምሉእ ህይወት እዩ።+ ምሸት ብኽያት ኪኸውን ይኽእል፣ ንግሆ ግና እልልታ ይኸውን።+ 6 ኣነስ ብራህዋይ፡“ከቶ ኣይክናወጽን* እየ” ኢለ ነይረ። 7 ኦ የሆዋ፡ ሞገስካ* ምስ ረኸብኩ፡ ከም ከረን ኣደልዲልካኒ።+ ገጽካ ምስ ሓባእካ ግና፡ ተሸቢረ።+ 8 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እጽውዕ ኣለኹ፣+ንየሆዋ ድማ ሞገስ እልምኖ ኣለኹ። 9 ናብ ጕድጓድ* እንተ ወሪደስ፡ ካብ ሞተይ* እንታይ ረብሓ ይርከብ፧+ ሓመድዶ ይውድሰካ እዩ፧+ ብዛዕባ ተኣማንነትካዶ ይነግር እዩ፧+ 10 ኦ የሆዋ፡ ስማዕ እሞ ሞገስ ኣርእየኒ።+ ኦ የሆዋ፡ ረዳእየይ ኩን።+ 11 ንሓዘነይ ናብ ሳዕስዒት ለዊጥካዮ፣ማቐይ ቀንጢጥካ ኸኣ ሓጐስ ከዲንካኒ፣ 12 ስለዚ፡ ውዳሰኻ ኽዝምር እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ።* ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ። 35 ኦ የሆዋ፡ ምስ ተጻረርተይ ተማጐተለይ፣+ምስቶም ዚቃለሱኒ ተቓለስ።+ 2 ንእሽቶ ዋልታኻን* ዓብዪ ዋልታኻን ሓዝ እሞ፡+ክትከላኸለለይ ተንስእ።+ 3 ኣንጻር ሰጐጕተይ ኲናትካን ናይ ውግእ ፋስካን* ኣልዕል።+ “ድሕነትካ እየ” በለኒ።*+ 4 እቶም ንህይወተይ* ዚሃድንዋ ዘለዉ ይሕፈሩን ይዋረዱን።+ እቶም ኬጥፍኡኒ ውዲት ዚኣልሙ ናብ ውርደት የንሳሕቡ። 5 ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ይስጐጎም።+ 6 መልኣኽ የሆዋ ኺሰጕጎም ከሎ፡መገዶም ጸልማትን መንደልሃጽን ይኹን። 7 ንሳቶምሲ ብዘይ ምኽንያት መርበቦም ብሕቡእ ኣጻዊዶምለይ፡ብዘይ ምኽንያት ድማ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ* እዮም። 8 ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮም፣እታ ብሕቡእ ዘጻወዳ መርበብ ትሓዞ፣ናብኣ ይውደቕ እሞ ይጥፋእ።+ 9 ኣነ* ግና ብየሆዋ ኽሕጐስ እየ፣ብግብርታት ድሕነቱ እውን ባህ ኪብለኒ እዩ። 10 ኵለን ኣዕጽምተይ፡“ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧ ንስኻ ንረዳኢ ኣልቦ ኻብቶም ካብኡ ዚሕይሉ፡+ንረዳኢ ኣልቦን ንድኻን ካብቶም ዚዘምትዎም ኣናጊፍካ” ኺብላ እየን።+ 11 ክፉኣት መሰኻኽር መጺኦም+ዘይፈልጦ ነገር ይሓትቱኒ። 12 ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ይፈድዩኒ፣+ውሉደይ ከም ዝሰኣንኩ ይገብሩኒ።* 13 ግናኸ፡ ምስ ሓመሙ፡ ኣነ ማቕ ተኸዲነ፣ጸሎተይ ብዘይ ምላሽ* ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ብጾም ገዛእ ርእሰይ* ወጺዐ። 14 ከም ንፈታውየይ ወይ ከም ንሓወይ ገይረ እናሓዘንኩ ተመላሊሰ፣ንኣዲኡ ኸም ዝሓዘነላ ዀይነ ድማ ብጓሂ ደኒነ። 15 ንሳቶም ግና ምስ ተዓንቀፍኩ፡ ተሓጒሶምን ተኣኪቦምን፣ኣድብዮም ኪቐትሉኒ ተኣኪቦም፣መናጪቶምኒ፡ ስቕ ከኣ ኣይበሉን። 16 እቶም ኣምላኽ ዘይብሎም ብምስትንዓቕ ኣላጊጾምለይ፣*ኣስናኖም ድማ ሓርቂሞምለይ።+ 17 ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ስቕ ኢልካ ኽትርኢ፧+ ንነፍሰይ* ካብ መጥቃዕቶም፡ነታ ኽብርቲ ህይወተይ* ካብ ሽደናት ኣናብስ ኣናግፋ።+ 18 ሽዑ፡ ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኸመስግነካ፡+ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝቢ ኽውድሰካ እየ። 19 እቶም ብኸምኡ ጸላእተይ ዝዀኑ ብኣይ ኣይተሓጐሱ፣እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ+ ኣዒንቶም ብኽፍኣት ኣይጽቀጡለይ።+ 20 ንሳቶምሲ ነቶም ሰላማውያን እታ ምድሪ ተንኰል ይሓስቡሎም ደኣ እምበር፡+ቃላት ሰላም ኣይዛረቡን እዮም። 21 ኪኸስሱኒ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም፡“ኣሰይ! ኣሰይ! ኣዒንትና ርእየናኦ” ይብሉ። 22 ኦ የሆዋ፡ ነዚ ርኢኻ ኢኻ። ስቕ ኣይትበል።+ ኦ የሆዋ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+ 23 ክትጣበቐለይ ንቓሕን ተንስእን፡ኦ ኣምላኸይ የሆዋ፡ ንጕዳየይ ተጣበቐለይ። 24 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ከም ጽድቅኻ ፍረደኒ፣+ብኣይ ድማ ኣይተሓጐሱ። 25 ብልቦም፡ “ኣሰይ! ዝደለናዮ ረኺብና”* ኣይበሉ። “ውሒጥናዮ” ኸኣ ኣይበሉ።+ 26 እቶም ብመዓተይ ዚሕጐሱ፡ኵላቶም ይሕፈሩን ይዋረዱን። እቶም ዚዕበዩለይ ሕፍረትን ውርደትን ይልበሱ። 27 እቶም ብጽድቀይ ዚሕጐሱ ግና፡ እልል ይበሉ፣ወትሩ ድማ፡“እቲ ብሰላም ጊልያኡ ባህ ዚብሎ የሆዋ ይዕበ” ይበሉ።+ 28 ሽዑ፡ ልሳነይ ጽድቅኻ ኽትነግር፡*+ምሉእ መዓልቲ እውን ክትውድሰካ እያ።+ 95 ንዑ፡ ንየሆዋ እልል ንበለሉ! ንኸውሒ ድሕነትና ጭድርታ ዓወት ንጨድረሉ።+ 2 ብምስጋና ናብ ቅድሚኡ* ንቕረብ፣+ንዘምረሉ፡ ጭድርታ ዓወት ከኣ ንጨድረሉ። 3 የሆዋስ ዓብዪ ኣምላኽ፡ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ።+ 4 መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ኢዱ እዩ፣ኣራእስ ኣኽራን ከኣ ናቱ እዩ።+ 5 እቲ ንሱ ዝገበሮ ባሕሪ፡ ናቱ እዩ፣+ኣእዳዉ እውን ንንቑጽ ምድሪ ገበራኦ።+ 6 ንዑ፡ ነምልኮ፡ ንስገደሉ፣ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ገባሪና ንምበርከኽ።+ 7 ንሱስ ኣምላኽና እዩ፣ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሰኡ፡ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ* ዘለና ኣባጊዕ ኢና።+ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡+ 8 ከም ኣብ መሪባ፡* ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ* ኣብ በረኻ፡+ልብኹም ኣይተትርሩ።+ 9 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቦታትኩም ፈቲኖምኒ፣+ግብርታተይ ርእዮም ክነሶም ኣሸጊሮምኒ።+ 10 ን40 ዓመት ነቲ ወለዶ ፈንፊነዮስ፡“ወትሩ ብልቦም ዜላግሱ ህዝቢ እዮም፣ንመገድታተይ ኣይፈለጥዎን” ኢለ። 11 ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡“ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም” ኢለ ምሒለ።+ 31 ኦ የሆዋ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።+ ከቶ ኣይተሕፍረኒ።+ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።+ 2 እዝንኻ ናባይ ኣድንን።* ከተናግፈኒ ቐልጢፍካ ምጻእ።+ ዕርዲ ኸረን፡እወ፡ ዕርዲ ድሕነተይ ኩነኒ።+ 3 ንስኻስ ከውሐይን ዕርደይን ኢኻ፣+ስለ ስምካ ኢልካ+ ኽትመርሓንን ክትኣልየንን ኢኻ።+ 4 ንስኻ ዕርደይ ኢኻ እሞ፡+ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መርበብ ኣውጽኣኒ።+ 5 መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ፡* ተበጂኻኒ ኢኻ።+ 6 ነቶም ንዘይጠቕሙ ኸንቱ ጣኦታት እተወፈዩ እጸልኦም እየ፣ኣነ ግና ብየሆዋ እየ ዝእመን።* 7 ጸበባይ ርኢኻ፡ብርቱዕ ጭንቀይ* ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡+ብተኣማንነት ብእተርእየኒ ፍቕሪ ኣዝየ ኽሕጐስ እየ። 8 ናብ ኢድ ጸላኢ ኣሕሊፍካ ኣይሃብካንን፣የግዳስ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ* ደው ኣቢልካኒ። 9 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ሞገስ ኣርእየኒ። ጓሂ ንኣዒንተይ ኰነ ንብዘሎ ሰብነተይ* ኣድኪምዎ።+ 10 ህይወተይ ብጓሂ፡+ዓመታተይ ከኣ ብእህህታ ተወዲኡ።+ ብሰሪ ስሕተተይ ሓይለይ ማህሚኑ፣ኣዕጽምተይ ድማ ደኺሙ።+ 11 ኵሎም ተጻረርተይ፡ምናዳ ኸኣ ጐረባብተይ ኣስተናዒቖምኒ።+ ፈለጥተይ ኣርዒዶምኒ፣ኣብ ግዳም ምስ ዚርእዩኒ፡ ካባይ ይሃድሙ ኣለዉ።+ 12 ከም ዝሞትኩስ፡ ካብ ልቦም* ኣውጺኦምንን ተረሲዐን፣ከም ስቡር ሳርማ ዀይነ። 13 ብዙሕ ክፉእ ወረ ሰሚዐ፣ሽበራ ይኸብበኒ ኣሎ።+ ከም ሓደ ዀይኖም ኣንጻረይ ኪእከቡ ኸለዉ፡ንህይወተይ* ኪወስድዋ ይተናዀሉ።+ 14 ኣነ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ብኣኻ እእመን* እየ።+ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ” እብል እየ።+ 15 መዓልትታተይ* ኣብ ኢድካ እየን። ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።+ 16 ገጽካ ኣብ ልዕሊ ጊልያኻ ኣብርሃዮ።+ ብተኣማንነት ብእተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ። 17 ኦ የሆዋ፡ ምስ ጸዋዕኩኻ፡ ኣይተሕፍረኒ።+ እኩያት ደኣ ይሕፈሩ፣+ኣብ መቓብር* እውን ስቕ ይበሉ።+ 18 እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ብንዕቀትን ተመኪሐን ዚዛረባኦሓሰውቲ ኸናፍር ዓባሳት ይኹና።+ 19 እቲ ንዚፈርሁኻ ዝዓቘርካሎም፡+ምእንቲ እቶም ኣባኻ ዚምዕቈቡ ኢልካ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰባት ዘርኣኻዮ+ሕያውነትካ* ኽሳዕ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+ 20 ካብ ተንኰል ሰብ፡ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ስቱር ቦታ ትኽውሎም፣+ካብ እኩይ መጥቃዕቲ፡*ኣብ መጽለሊኻ ትሓብኦም።+ 21 ኣብ እተኸብበት ከተማ+ ብዜደንቕ መገዲ ብተኣማንነት ፍቕሩ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፡+የሆዋ ይወደስ። 22 ኣነስ ሰምቢደ፡“ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍእ እየ” ኢለ ነይረ።+ ናባኻ ምስ ኣእወኹ ግና፡ ንስኻ ልማኖይ ሰሚዕካ።+ 23 ኣቱም እሙናቱ ዅልኹም፡ ንየሆዋ ኣፍቅርዎ!+ የሆዋ ንእሙናት የዕቍቦም፡+ንዚዕበ ዘበለ ግና ኣብዚሑ ይፈድዮ።+ 24 ኣቱም ንየሆዋ እትጽበይዎ ዅልኹም፡+ትብዑ፡ ልብኹም እውን ይበርትዕ።+ 18 ኦ የሆዋ፡ ሓይለይ፡ እፈትወካ እየ።+ 2 የሆዋ ኸውሐይን ዕርደይን መናገፍየይን እዩ።+ ኣምላኸይ ዝምዕቈበሉ ኸውሐይ፡+ዋልታይን ቀርኒ* ድሕነተይን፡* እምባይ* እዩ።+ 3 ነቲ ኺውደስ ዚግብኦ የሆዋ ኽጽውዖ፡ካብ ጸላእተይ ድማ ክድሕን እየ።+ 4 ኣግማድ ሞት ከርዲኑኒ፣+ወሓይዝ ዘይጠቕሙ ሰባት ኣሸቢሩኒ።+ 5 ኣግማድ መቓብር* ከቢቡኒ፣መፈንጠራታት ሞት ኣጋጢሙኒ።+ 6 ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡ናብ ኣምላኸይ ከኣ ኣእውየ። ካብ መቕደሱ ድምጸይ ሰሚዑ፡+ኣብ ቅድሚኡ ዘቕረብክዎ ኣውያተይ ኣብ ኣእዛኑ በጺሑ።+ 7 ምድሪ ተናዊጻን ኣንቀጥቂጣን፣+መሰረታት ኣኽራን ኣንደቕዲቑ፡ስለ እተቘጥዐ ድማ ተናዊጹ።+ 8 ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ዓሪጉ፡ካብ ኣፉ ኸኣ ዚባላዕ ሓዊ ወጺኡ፣+ካብኡ ጓህሪ ተባሪዑ። 9 ኪወርድ ከሎ፡ ንሰማያት ኣድኒንዎ፡+ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ እውን ብርቱዕ ድነ ነይሩ።+ 10 ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ እናነፈረ መጺኡ።+ ኣብ ኣኽናፍ መንፈስ* ኰይኑ ኸኣ ተነቚቱ።+ 11 ጸልማት ማያትን ከቢድ ደበናታትን+ከም መጽለሊ ኣብ ዙርያኡ ገይሩ ድማ፡ብጸልማት ተጐልቢቡ።+ 12 ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ድምቀት፡በረድን ጓህርን ንደበናታት ጥሒሱ ወጺኡ። 13 የሆዋ ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጒዱ፣+ብበረድን ብጓህርን፡እቲ ልዑል፡ ድምጹ ኣስሚዑ።+ 14 ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣቢልዎም፣+በርቁ ደርብዩ ኸኣ ኣሸቢርዎም።+ 15 ብምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኻ፡ብመግናሕትኻ፡ ኦ የሆዋ፡ መሰረታት ምድሪ ተቐሊዑ፣ባይታ ርባ* ድማ ተራእዩ።+ 16 ኢዱ ኻብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዘርጊሑ፣ሒዙ ኸኣ ካብ ዓሚቝ ማያት ኣውጺኡኒ።+ 17 ካብ ሓያል ጸላእየይ፡+ካብቶም ካባይ ዚሕይሉ ዚጸልኡኒ ኣናጊፉኒ።+ 18 ብመዓልቲ ጥፍኣተይ ገጢሞምለይ፣+ግናኸ፡ የሆዋ ደገፍ ኰይኑኒ። 19 ናብ ውሑስ ቦታ* ኣውጺኡኒ፣ብኣይ ባህ ስለ ዝበሎ፡ ኣናጊፉኒ።+ 20 የሆዋ ኸም ጽድቀይ ይፈድየኒ፣+ከም ንጽህና ኢደይ ይኽሕሰኒ።+ 21 ከመይሲ፡ መገድታት የሆዋ ሓልየ እየ፣ንኣምላኸይ ብምሕዳግ ድማ እከይ ኣይገበርኩን። 22 ኵሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ንሕግታቱ ኸኣ ኣይነዓቕኩን። 23 ኣብ ቅድሚኡ መንቅብ ዘይብለይ ክኸውን፡+ካብ ስሕተት እውን ክሕሎ እየ።+ 24 የሆዋ ኸም ጽድቀይ፡+ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ንጽህና ኢደይ ይኽሓሰኒ።+ 25 ምስ እሙን፡ እሙን ትኸውን፣+መንቅብ ምስ ዘይብሉ ሰብኣይ ከኣ፡ መንቅብ ዘይብልካ ትኸውን፣+ 26 ምስ ንጹህ፡ ንጹህ ትኸውን፡+ምስ ቄናን ግና፡ ትጐርሕ።+ 27 ንትሑታትሲ* ተድሕኖም፣+ንዕቡያት* ግና ተዋርዶም።+ 28 ኦ የሆዋ፡ ኣታ ንጸልማተይ እተብርሆ ኣምላኸይ፡መብራህተይ እተብርሃለይሲ ንስኻ ኢኻ።+ 29 ብሓገዝካ ንዘማቲ ጭፍራ ኸጥቅዕ እኽእል፣+ብሓይሊ ኣምላኽ መንደቕ ክሓኵር እኽእል።+ 30 መገዲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍጽምቲ እያ፣+ቃል የሆዋ እተጻረየ እዩ።+ ንዅሎም እቶም ዚምዕቈብዎ ዋልታኦም እዩ።+ 31 ብዘይካ የሆዋስ ኣምላኽ መን እዩ፧+ ብዘይካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፧+ 32 እቲ ብብርታዐ ዚኸድነኒ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ፣+ንመገደይ ከኣ ፍጹም ይገብሮ።+ 33 ንኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ኣብ በረኽቲ ድማ የቝመኒ።+ 34 ንኣእዳወይ ንውግእ የሰልጥነን፡ቀላጽመይ ቀስቲ ነሓሲ ኺግትራ ይኽእላ። 35 ዋልታ ድሕነትካ ትህበኒ፡+የማነይትኻ ትድግፈኒ፡*ትሕትናኻ ኸኣ ተዕብየኒ።+ 36 መገዲ ስጕምትታተይ ተግፍሕ፣ኣእጋረይ* እውን ኣየንደልህጻን።+ 37 ንጸላእተይ ስዒበ ኸርክቦም፡ክሳዕ ዚድምሰሱ ድማ ኣይክምለስን እየ። 38 ምእንቲ ኸይትንስኡ፡ ክጭፍልቖም እየ፣+ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ኪወድቁ እዮም። 39 ንውግእ ብብርታዐ ተዕጥቐኒ፣ንጸላእተይ ከኣ ኣብ ትሕተይ ተውድቖም።+ 40 ንጸላእተይ ካባይ ከም ዜንሳሕቡ ትገብር፣*ነቶም ዚጸልኡኒ ድማ መወዳእታ ኽገብረሎም* እየ።+ 41 የእውዩ፡ ዜድሕኖም ግና የልቦን፣ናብ የሆዋ እውን ይምህለሉ፡ ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን። 42 ከምቲ ንፋስ ዚወስዶ ሓመድ ገይረ ኽደቝሶም እየ፣ከም ኣብ ጐደና ዘሎ ጭቃ ኽድርብዮም እየ። 43 ካብ ነቐፌታ ህዝበይ ተናግፈኒ።+ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ትሸመኒ፣+ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ኺግዝኣኒ እዩ።+ 44 ሰሚዖም ጥራይ ኪእዘዙኒ፡ጓኖት ሸቘጥቈጥ እናበሉ ናብ ቅድመይ ኪመጹ እዮም።+ 45 ጓኖት ኪጃጅዉ፡*ካብ ዕርድታቶም ራዕራዕ እናበሉ ኺመጹ እዮም። 46 የሆዋ ህያው እዩ! እቲ ኸውሐይ ይወደስ!+ እቲ ኣምላኽ ድሕነተይ ልዕል ይበል።+ 47 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሕነ ይፈድየለይ፣+ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ የምበርክኾም፣ 48 ንሱ ኻብ ቍጡዓት ጸላእተይ የናግፈኒ። ኣብ ልዕሊ እቶም ዜጥቅዑኒ ልዕል ተብለኒ፣+ካብ ሰብኣይ ዓመጻ ተድሕነኒ። 49 ስለዚ፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከሞግሰካ፡+ንስምካ እውን ውዳሰ ኽዝምር* እየ።+ 50 ንንጉሱ ዓብዪ ግብርታት ድሕነት* ይገብር፣+ንዘለኣለም ንዳዊትን ንዘርኡን፡+ነቲ ቕቡኡ ብተኣማንነት የፍቅር።+ 100 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።+ 2 ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግልዎ።+ ናብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ። 3 የሆዋስ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ።*+ ዝገበረና ንሱ እዩ፣ ንሕና ድማ ናቱ ኢና።*+ ንሕና ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሰኡን ኢና።+ 4 ናብ ኣፍ ደገታቱ ብምስጋና፡+ናብ ኣጸዳቱ እውን ብውዳሰ ምጹ።+ ኣመስግንዎ፡ ስሙ እውን ወድሱ።+ 5 የሆዋስ ሕያዋይ* እዩ፣+እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም፡ተኣማንነቱ ድማ ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+ 23 የሆዋ ጓሳይየይ እዩ።+ ዚጐድለኒ የብለይን።+ 2 ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ በጥ የብለኒ፣ማይ ናብ ዝመልኦ መዕረፊ* ይመርሓኒ።+ 3 የሐድሰኒ።*+ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገድታት* ጽድቂ ይመርሓኒ።+ 4 ንስኻ ምሳይ ኢኻ፡+በትርኻን ምርኩስካን ከኣ የጸናንዓኒ እዩ እሞ፡ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ እኳ እንተ ኸድኩ፡+ከይጕዳእ ኣይፈርህን እየ።+ 5 ንስኻ ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ መኣዲ ተዳልወለይ።+ ንርእሰይ ብዘይቲ ተረስርሶ፣*+ጽዋአይ ኣጸቢቓ ዝመልአት እያ።+ 6 ሕያውነትን* ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ብርግጽ ኣብ ኵሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣+ኣነ ድማ ኣብ ቤት የሆዋ ምሉእ ዕድመይ ክቕመጥ እየ።+ 34 ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኽውድሶ እየ፣ውዳሰኡ ወትሩ ኣብ ከናፍረይ ኪኸውን እዩ። 2 ብየሆዋ ኽምካሕ እየ፣*+ዓቃላት* ኪሰምዑን ኪሕጐሱን እዮም። 3 ንየሆዋ ምሳይ ኣዕብይዎ፣+ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ። 4 ንየሆዋ ሓቲተዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ።+ ካብ ኵሉ ፍርሀይ ኣናጊፉኒ።+ 5 እቶም ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ገጾም እውን ከቶ ኣይሓፍርን። 6 እዚ ትሑት እዚ ጸዊዑ፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎ። ካብ ኵሉ ጭንቁ ኸኣ ኣድሒንዎ።+ 7 መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡+የናግፎም እውን።+ 8 የሆዋ ሕያዋይ* ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን፣+ኣብኡ ዚምዕቈብ ሰብ ሕጉስ እዩ። 9 እቶም ዚፈርህዎ ገለ እኳ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፡+ኣቱም ቅዱሳቱ ዅልኹም፡ ንየሆዋ ፍርህዎ። 10 ሽደናት ኣናብስ እኳ ስኢኖም ይጠምዩ፣እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን።+ 11 ደቀየ፡ ንዑ ስምዑኒ፣ፍርሃት የሆዋ ድማ ክምህረኩም እየ።+ 12 ካባኻትኩምሲ ብህይወት ባህ ዚብሎ፡ጽቡቕ መዓልትታት እውን ኪርኢ ዚፈቱ ሰብ መን እዩ፧+ 13 እምበኣር፡ ልሳንካ ኻብ ክፉእ፡+ከናፍርካ ኸኣ ምትላል ካብ ምዝራብ ሓሉ።+ 14 ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ድማ ግበር፣+ንሰላም ድለያ፡ ስዓባ እውን።+ 15 ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡+ኣእዛኑ ኸኣ ንኣውያቶም ይሰምዓ እየን።+ 16 ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኺድምስሶ ግና፡ገጽ የሆዋ ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።+ 17 እቲኣቶም ኣእውዮም፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎም፣+ካብ ኵሉ ጭንቆም እውን ኣናጊፍዎም።+ 18 የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣+ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ* ኸኣ የድሕኖም።+ 19 ሽግር* ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣+የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።+ 20 ንዅለን ኣዕጽምቱ ይሕልወን፣ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን።+ 21 መዓት ንእኩይ ይቐትሎ፣ንጻድቕ ዚጸልኡ ድማ ኪዅነኑ እዮም። 22 የሆዋ ንህይወት* ገላዉኡ ይብጀዋ፣ካብቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ሓደ እኳ ኣይኪዅነንን እዩ።+ 19 ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር፣+ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይእውጅ።+ 2 መዓልቲ መዓልቲ ዘረባኦም ይወጽእ፣ለይቲ ለይቲ ድማ ፍልጠት ይገልጹ። 3 ዘረባ የልቦን፡ ቃላት ከኣ የልቦን፣ድምጾም እውን ኣይስማዕን። 4 ደሃዮም* ግና ናብ ኵላ ምድሪ፡መልእኽቶም ድማ ክሳብ ወሰናት ዓለም* ወጺኡ።+ ንሱ ንጸሓይ ኣብ ሰማያት ድንኳን ተኺሉላ፣ 5 ንሳ ኸምቲ ኻብ ቤት ሕጽኖት ዚወጽእ መርዓዊ እያ፣መገዱ ኸም ዚጐዪ ጅግና ኸኣ ትሕጐስ። 6 ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ትወጽእ፡ናብቲ ኻልእ ወሰን ድማ ትዘውር፣+ካብ ዋዒኣ ዚኽወል ከኣ የልቦን። 7 ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ፡+ ሓይሊ የሐድስ።*+ መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ፡+ ንዘይለበመ የጥብቦ።+ 8 ስርዓታት የሆዋ ጻድቕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ።+ ትእዛዝ የሆዋ ጽሩይ እዩ፡ ንኣዒንቲ የብርሀን።+ 9 ፍርሃት የሆዋ+ ንጹህ እዩ፡ ንዘለኣለም ይነብር። ፍርድታት የሆዋ ሓቂ እዩ፡ ብምሉኡ ጻድቕ እዩ።+ 10 ካብ ወርቂ፡ካብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ይብሃግ፣+ካብ መዓር፡ ካብቲ ኻብ ጎጎኡ ዜንጠብጥብ መዓር እኳ ይጥዕም።+ 11 ጊልያኻ ብእኡ መጠንቀቕታ ይውሃቦ፣+ንዕኡ ምሕላው ከኣ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ።+ 12 ንጌጋታት መን ኬስተውዕሎ ይኽእል፧+ ካብቲ ዘይፈልጦ ሓጢኣት ኣንጽሃኒ። 13 ንጊልያኻ ድማ ካብ ድፍረት ሓልዎ፣+እዚ ኺመልከኒ እውን ኣይትሕደግ።+ ሽዑ፡ ምሉእ ክኸውን፡+ካብ ዕሉል ሓጢኣት* ከኣ ክነጽህ እየ። 14 ኦ የሆዋ፡ ከውሐይን+ ተበጃውየይን፡+ቃላት ኣፈይን ምስትንታን ልበይን ባህ ዜብለካ ይኹን።+ 118 ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ። 2 እስራኤል ሕጂ፡“ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበል። 3 ኣብ ቤት ኣሮን ዘለዉ፡ ሕጂ፡“ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበሉ። 4 እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ፡ ሕጂ፡“ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ይበሉ። 5 ብጭንቀይ ንያህ* ጸዊዐዮ፣ያህ ድማ መሊሱለይ፡ ናብ ውሑስ ቦታ* ኣምጺኡኒ።+ 6 የሆዋ ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ።+ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧+ 7 የሆዋ ምሳይ እዩ፡ ረዳእየይ እዩ፣*+ነቶም ዚጸልኡኒ ብዓወት ክርእዮም እየ።+ 8 ኣብ ሰብ ካብ ምእማንሲ፡*ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ ይሓይሽ።+ 9 ኣብ መሳፍንቲ ኻብ ምእማንሲ፡*ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ ይሓይሽ።+ 10 ኵሎም ኣህዛብ ከቢቦምኒ፣ኣነ ግና ብስም የሆዋመኪተዮም።+ 11 ከቢቦምኒ፡ እወ፡ ምሉእ ብምሉእ ከቢቦምኒ፣ኣነ ግና ብስም የሆዋመኪተዮም። 12 ከም ንህቢ ኸቢቦምኒ፣ግናኸ፡ ከም ሓዊ እሾዅ ብቕልጡፍ ጠፊኦም። ኣነ ድማ ብስም የሆዋመኪተዮም።+ 13 ክወድቕሲ ብሓይሊ ተደፊአ፣*የሆዋ ግና ረዲኡኒ። 14 ያህ መዕቈብየይን ሓይለይን እዩ፣ድሕነተይ እውን ኰይኑኒ እዩ።+ 15 ደሃይ እልልታን ድሕነትን*ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ኣሎ። የማነይቲ ኢድ የሆዋ ሓይላ ተርኢ ኣላ።+ 16 የማነይቲ ኢድ የሆዋ ልዕል ትብል ኣላ፣የማነይቲ ኢድ የሆዋ ሓይላ ተርኢ ኣላ።+ 17 ግብርታት ያህ ክነግርሲ፡ብህይወት ክነብር እየ እምበር፡ ኣይክመውትን እየ፣+ 18 ያህ ኣበርቲዑ ገሲጹኒ፣+ንሞት ግና ኣሕሊፉ ኣይሃበንን።+ 19 ኣፍ ደገታት ጽድቂ ኽፈቱለይ፣+ብእአን ክኣቱን ንያህ ክውድሶን እየ። 20 ኣፍ ደገ የሆዋ እዚኣ እያ። ጻድቃን ብእኣ ኺኣትዉ እዮም።+ 21 መሊስካለይ፡+ ድሕነተይ እውን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ክውድሰካ እየ። 22 እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ።+ 23 እዚ ኻብ የሆዋ እዩ ዀይኑ፣+ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ።+ 24 እታ የሆዋ ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ብእኣ ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናን እዩ። 25 ኦ የሆዋ፡ ንልምነካ ኣለና፡ በጃኻ ኣድሕነና! ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኣዐውተና! 26 ብስም የሆዋ ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፣+ካብ ቤት የሆዋ ንባርኸኩም ኣለና። 27 የሆዋስ ኣምላኽ እዩ፣የብርሃልና እውን እዩ።+ ክሳብ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ፡+ጨናፍር ሒዝኩም ኣብ ዓጀባ በዓል ተጸምበሩ።+ 28 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ክውድሰካ እየ፣ኦ ኣምላኸይ፡ ልዕል ከብለካ እየ።+ 29 ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+ 58 ስቕ ኢልኩም ከለኹምሲ፡ ብዛዕባ ጽድቂ ኽትዛረቡዶ ትኽእሉ ኢኹም፧+ ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ብቕንዕናዶ ኽትፈርዱ ትኽእሉ ኢኹም፧+ 2 ኣብ ልብኹምሲ ኽፍኣት እባ ደኣ ትምህዙ፣+ኣእዳውኩም ድማ ኣብታ ምድሪ፡ ዓመጻ ይገብራ።+ 3 እኩያት ካብ ከርሲ ኣትሒዞም የላግሱ፣*ካብ ማሕጸን ኣትሒዞም ፋሉላትን ሓሰውትን እዮም። 4 ሕንዞም ከም ሕንዚ ተመን እዩ፣+ከምቲ እዝኑ ዚዓብስ መንደላይ ተመን ጸማማት እዮም። 5 ንሱ ኸኣ፡ ክእለት ስራዮም ብዘየገድስ፡ድምጺ ዓዘምቲ ኣይሰምዕን። 6 ኦ ኣምላኽ፡ ኣስናኖም ካብ ኣፎም ኣርግፍ! ኦ የሆዋ፡ ምንጋጋ እዞም ሽደናት ኣናብስ ስበር! 7 ከም ዚጽንቀቕ ማያት ይጥፍኡ። ቀስቱ ገቲሩ ብፍላጻታቱ የውድቆም። 8 ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚሓቅቕ ኣረነ፡ከምቲ ጸሓይ ዘይርኢ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ። 9 ዋዒ እቲ እተኣጕደ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ናብ ቍራዓትኩም ቅድሚ ምብጻሑ፡ንሱ ኸም ህቦብላ፡ ነቲ ጥሉልን ዚነድድን ቀሸም ይምንዝዖ።+ 10 ጻድቕ ነቲ ምፍዳይ ሕነ ስለ ዝረኣየ ኺሕጐስ፡+ኣእጋሩ ኸኣ ብደም እቲ እኩይ ኪጥልቂ እዩ።+ 11 ሽዑ፡ ሰባት፡ “ንጻድቕ ብርግጽ ዓስቢ ኣለዎ።+ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ ብሓቂ ኣሎ” ኺብሉ እዮም።+ 83 ኦ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፣+ኦ ኣምላኽ፡ ትም ኣይትበል፡* ኣይተጽቅጥ። 2 እንሆ፡ ጸላእትኻስ ይጭድሩ፡+እቶም ዚጸልኡኻ እውን ይዕበዩ* ኣለዉ። 3 ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ነቶም እትሕልዎም* ከኣ ውዲት ይኣልሙሎም። 4 “ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ብደረጃ ህዝቢ ነጥፍኣዮም” ይብሉ ኣለዉ።+ 5 ሓቢሮም ስልቲ ይምህዙ፡*ኣንጻርካ ድማ ኪዳን ተኣታትዮም ኣለዉ፡+— 6 ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን+ ሃግራውያንን፡+ 7 ጌባልን ዓሞንን+ ኣማሌቅን፡ፍልስጥኤም+ ምስ ነበርቲ ጢሮስ።+ 8 ኣሶር+ እውን ሓቢርዎም፣ንደቂ ሎጥ ድማ ደጊፎምዎም።*+ (ሴላ) 9 ከምቲ ንሚድያን ዝገበርካዮ፡+ከምቲ ንሲሰራን ንያቢንን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።+ 10 ንሳቶም ኣብ ዔን-ዶር ጠፍኡ፣+ንምድሪ ድማ ድዅዒ ዀንዋ። 11 ንልዑላኖም ከም ዖሬብን ዝኤብን፡+ንመሳፍንቶም* ከኣ ከም ዜባሕን ጻልሙናን ግበሮም።+ 12 ከመይሲ፡ “ነታ ኣምላኽ ዚነብረላ ምድሪ ንረስተያ” ኢሎም እዮም። 13 ኦ ኣምላኸይ፡ ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ፡+ብንፋስ ከም እተበቈጸ ሓሰር ግበሮም። 14 ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡ከምቲ ሃልሃልታ ንኣኽራን ዜሕርሮ፡+ 15 ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡+ብብርቱዕ ንፋስካ ድማ ኣሸብሮም።+ 16 ኦ የሆዋ፡ ንስምካ ምእንቲ ኺደልይዎስ፡ገጾም ብውርደት ኣጐልብብ።* 17 ንዘለኣለም ይሕፈሩን ይሸበሩን፣ይነውሩን ይጥፍኡን፣ 18 ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡+በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።+ 144 የሆዋ፡ እቲ ኸውሐይ፡+እቲ ኣእዳወይ ንዂናት፡ኣጻብዐይ ከኣ ንውግእ ዜሰልጥን፡+ ይወደስ። 2 ንሱ ብተኣማንነት ፍቕሪ ዜርእየንን ዕርደይን፡እምባይን* መናገፍየይን፡ዋልታይን መዕቈብየይን፡+ንህዝብታት ድማ ኣብ ትሕተይ ዜግዝኣኒ እዩ።+ 3 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ እተስተብህለሉስ ሰብ እንታይ እዩ፧ እተቕልበሉኸ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧+ 4 ሰብሲ ንትንፋስ ይመስል፣+መዓልትታቱ ኸም ዚሓልፍ ጽላሎት እየን።+ 5 ኦ የሆዋ፡ ሰማያትካ ኣትሒትካ* ውረድ፣+ንኣኽራን ተንኪኻ ኣትክኮ።+ 6 በርቂ ኣብሪቕካ ንጸላእቲ ፋሕ ኣብሎም፣+ፍላጻታትካ ወርዊርካ ኣሸብሮም።+ 7 ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፣ካብ ብርቱዕ ማያት፡ካብ ኢድ* ጓኖት ኣናግፈንን ኣድሕነንን።+ 8 ንሳቶምሲ ብኣፎም ሓሶት ይዛረቡ፣ብሓሶት ኪምሕሉ ኸኣ የማነይቲ ኢዶም የልዕሉ።* 9 ኦ ኣምላኽ፡ ሓድሽ መዝሙር ክዝምረልካ እየ።+ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ፣ 10 ንነገስታት ዓወት* ዝሃብካ፡+ንጊልያኡ ዳዊት ካብ ቀታሊ ሰይፊ ዘናገፍካ ንስኻ ኢኻ።+ 11 ካብ ኢድ ጓኖት፡ካብቶም ብኣፎም ሓሶት ዚዛረቡ፡ካብቶም ብሓሶት ኪምሕሉ የማነይቲ ኢዶም ዜልዕሉ ኣናግፈንን ኣድሕነንን። 12 ሽዑ፡ ኣወዳትና ኸምቲ ቐልጢፉ ዚበቍል ውልዶ ተኽሊ ኪዀኑ እዮም፣ኣዋልድና ኸኣ ንቤተ መንግስቲ ኸም እተጸርበ ኣዕኑድ ኵርናዕ ኪዀና እየን። 13 ማዕከናትና ብዅሉ ዓይነት ፍረ ኺምላእ እዩ፣ኣብ መሮር ዘለዋ መጓሰና ድማ ብኣሽሓትን ብኣእላፋትን ኪፋረያ እየን። 14 መላኣት ዝዀና ኣሓና ድንገት ኣይኪገጥመንን ወይ ኣይኬቘልዓን እየን፣ኣብ ኣደባባያትና ኣውያት ኣይኪኸውንን እዩ። 15 ከምዚ ዚዀነሉ ህዝቢ ሕጉስ እዩ! የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!+ 75 ነመስግነካ፡ ኦ ኣምላኽ፡ ነመስግነካ፣ስምካ ቐረባ እዩ፣+ሰባት ከኣ ዜደንቕ ግብርታትካ ይነግሩ። 2 “ግዜ ምስ መደብኩ፡ብቕንዕና ኽፈርድ እየ። 3 ምድርን ኵሎም ነበርታን ምስ መኸኹ፡ኣነ እየ ኣዕኑዳ ዘጽናዕኩ” ትብል። (ሴላ) 4 ንምኩሓት፡ “ኣይትመክሑ” እብሎም፣ንእኩያት ድማ ከምዚ እብሎም፦ “ብርታዐኹም* ልዕል ኣይተብሉ። 5 ብርታዐኹም* ናብ ላዕሊ ልዕል ኣይተብሉ፡ወይ ብትዕቢት ኣይትዛረቡ። 6 ልዕልናስ ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብወይ ካብ ደቡብ ኣይኰነን ዚመጽእ። 7 ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ።+ ንሓደ ሰብ የዋርድ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ልዕል የብል።+ 8 ኣብ ኢድ የሆዋስ ጽዋእ ኣሎ፣+እቲ ወይኒ ይዓፍር ኣሎ፡ ምሉእ ብምሉእ እውን ተሓዋዊሱ እዩ። ብርግጽ ድማ ኬፍስሶ እዩ፣ኵሎም እኩያት ምድሪ ኸኣ ክሳዕ ሓተላኡ ኺሰትይዎ እዮም።”+ 9 ኣነ ግና ንዘለኣለም ክነግር፡ንኣምላኽ ያእቆብ እውን ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ። 10 ንሱስ፡ “ንዅሉ ብርታዐ* እኩያት ክሰብሮ እየ፣ብርታዐ* ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ” ኢሉ እዩ። 20 የሆዋ ብመዓልቲ ጭንቂ ይመልሰልካ። ስም ኣምላኽ ያእቆብ የዕቍብካ።+ 2 ካብ መቕደስ ረድኤት ይስደደልካ፣+ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።+ 3 ንዅሉ መባእካ ይዘክሮ፣ንዚሓርር መስዋእትኻ ድማ ብሞገስ ይቀበሎ።* (ሴላ) 4 ትምኒት ልብኻ ይሃብካ፣+ኣብ ኵሉ ውጥናትካ* እውን ኣሳልጦ ይሃብካ። 5 ብግብርታት ድሕነትካ እልል ክንብል፡+ብስም ኣምላኽና ኸኣ ሰንደቕ ዕላማና ኸነልዕል ኢና።+ የሆዋ ንዅሉ ልማኖኻ ይፈጽመልካ። 6 የሆዋ ንቕቡኡ ኸም ዜድሕኖ ሕጂ ፈሊጠ።+ በቲ ብየማነይቲ ኢዱ ዚገብሮ ዓብዪ ድሕነት*+ካብቲ ቕዱስ ሰማያቱ ይምልሰሉ። 7 ገሊኦም ብሰረገላታት፡ ገሊኦም እውን ብኣፍራስ ይእመኑ፣+ንሕና ግና ስም የሆዋ ኣምላኽና ኢና እንጽውዕ።+ 8 ንሳቶም ተረዅሚሾምን ወዲቖምን፣ንሕና ግና ተንሲእናን ቌምናን።+ 9 ኦ የሆዋ፡ ንንጉስ ኣድሕኖ!+ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ኺሰምዓና እዩ።+ 94 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሕነ፡+ኦ ኣምላኽ ሕነ፡ ብራህ! 2 ኦ ፈራዲ ምድሪ፡ ተንስእ።+ ንዕቡያት ዚግብኦም ፍደዮም።+ 3 ኦ የሆዋ፡ እኩያት ክሳዕ መዓስ፡እኩያት ክሳዕ መዓስ ኪፍስሁ እዮም፧+ 4 ብትምክሕቲ ይልፍልፉን ይዛረቡን፣ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ብርእሶም ይጅሃሩ። 5 ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ይጭፍልቕዎ፣+ንርስትኻ እውን ይጭቍንዎ። 6 መበለትን ጓናን ይቐትሉ፣ዘኽታማት እውን የጥፍኡ። 7 “ያህ ኣይርእን፡+ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህልን እዩ” ይብሉ።+ 8 ኣቱም ዘይትሓስቡ፡ እዚ ተረድኡ፣ኣቱም ዓያሹ፡ መዓስ ኢኹም ልቦና ኽትገብሩ፧+ 9 እቲ እዝኒ ዝተኸለስ፡ ኣይሰምዕንዶ፧ እቲ ዓይኒ ዝገበረኸ፡ ኣይርእንዶ፧+ 10 እቲ ንኣህዛብ ዚእርምሲ፡ ኣይገንሕንዶ፧+ ንህዝቢ ፍልጠት ዚምህር ንሱ እዩ!+ 11 የሆዋ፡ ሓሳባት ሰብትንፋስ ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።+ 12 ኦ ያህ፡ ንስኻ እትእርሞ፡+ካብ ሕግኻ እውን እትምህሮ ሰብ ሕጉስ እዩ፣+ 13 ንዕኡስ ብመዓልትታት መዓት ከተህድኦ ኢልካ፡ንእኩይ ጕድጓድ ክሳዕ ዚኵዓት ትምህሮ።+ 14 የሆዋ ንህዝቡ ኣይኪጥንጥኖን እዩ፣+ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎን እዩ።+ 15 ፍርድስ ከም ብሓድሽ ቅኑዕ ኪኸውን እዩ፣ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ድማ ኪስዕብዎ እዮም። 16 ኣንጻር እኩያትሲ መን ኪትንስኣለይ እዩ፧ ኣንጻር ገበርቲ ኽፉእከ መን ደው ኪብለለይ እዩ፧ 17 የሆዋ ረዳእየይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፡ብኡብኡ ምጠፋእኩ ነይረ።*+ 18 ኦ የሆዋ፡ “እግረይ ኣንደልሂጹ” ምስ በልኩ፡ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ደጊፉኒ።+ 19 ጭንቀት* ምስ ወሓጠኒ፡*ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።*+ 20 ዝፋን* ብልሽውናስ ብስም ሕጊ ሽግር እናመሃዘ+ምሳኻዶ ሕብረት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፧ 21 ንጻድቕ* ኣጥቂዖም የቝስልዎ፣+ንንጹህ ድማ ንሞት ይዅንንዎ* ኣለዉ።+ 22 የሆዋ ግና እምባይ* እዩ፣ኣምላኸይ ከኣ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ።+ 23 እኩይ ግብሮም ኣብ ርእሶም ኪመልሰሎም፡+ብእከዮም እውን ኬጥፍኦም* እዩ። የሆዋ ኣምላኽና ኼጥፍኦም* እዩ።+ 88 ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ፡+ብመዓልቲ አእዊ፡ብለይቲ እውን ኣብ ቅድሜኻ እቐርብ ኣለኹ።+ 2 ጸሎተይ ናባኻ ይብጻሕ፣+እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን።*+ 3 ነፍሰይሲ* መዓት ጸጊባ፡+ህይወተይ እውን ናብ መቓብር* ቀሪባ ኣላ።+ 4 ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ተቘጺረ፣+ረዳኢ ኣልቦ* ሰብኣይ ኰይነ፣+ 5 ከምቶም ደጊም ዘይትዝክሮም፡ካብ ሓልዮትካ* እተፈልዩ፡ኣብ መቓብር እውን በጥ ዝበሉ ቕቱላት፡ኣብ መንጎ ምዉታት ተሓዲገ። 6 ኣብ ዝተሓተ ጕድጓድ፡ኣብ ጸልማት፡ ኣብ ዓብዪ መዓሙቝ ኣንቢርካኒ። 7 ነድርኻ ይኸብደኒ ኣሎ፣+ብዚጻፋዕ ማዕበላትካ ውሒጥካኒ። (ሴላ) 8 ንፈለጥተይ ካባይ ኣርሒቕካዮም፣+ኣባታቶም ፍንፉን ጌርካኒ። ተቐርቂረ፡ ከምልጥ እውን ኣይክእልን እየ። 9 ኣዒንተይ ብጸበባይ ደኺመን ኣለዋ።+ ኦ የሆዋ፡ ምሉእ መዓልቲ እጽውዓካ ኣለኹ፣+ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ። 10 ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ፧ ብሞት እተሰነፉኸ ተንሲኦምዶ ይውድሱኻ እዮም፧+ (ሴላ) 11 ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣብ መቓብር፡ተኣማንነትካ እውን ኣብ ቦታ ጥፍኣትዶ* ይንገር እዩ፧ 12 ተኣምራትካ ኣብ ጸልማት፡ወይስ ጽድቅኻ ኣብ ምድሪ ርሳዐዶ ይፍለጥ እዩ፧+ 13 ኦ የሆዋ፡ ኣነ ግና ናባኻ አእዊ ኣለኹ፣+ንግሆ ንግሆ ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይቐርብ ኣሎ።+ 14 ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ትድርብየኒ፧*+ ስለምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ፧+ 15 ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘውጹዕን ንምጥፋእ ዝቐረብኩን እየ፣+በቲ ኺወርደኒ ዝፈቐድካዮ ኽፉእ ነገር ደንዚዘ ኣለኹ። 16 እቲ ዚነድድ ቍጥዓኻ ውሒጡኒ፡+ሽበራታትካ እውን ኣጥፊኡኒ ኣሎ። 17 ምሉእ መዓልቲ ኸም ማያት ከቢቡኒ፡ብዅሉ ሸነኽ* ድማ ዓጽዩኒ ኣሎ። 18 ንፈተውተይን ንብጾተይን ካባይ ኣርሒቕካዮም፣+ጸልማት ከኣ ብጻየይ ኰይኑ ኣሎ። 114 እስራኤል ካብ ግብጺ፡ቤት ያእቆብ ካብቲ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ህዝቢ ምስ ወጸ፡+ 2 ይሁዳ መቕደሱ፡እስራኤል ግዝኣቱ ዀነ።+ 3 ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፣+ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ።+ 4 ኣኽራን ከም ደዓውል፡ኵርባታት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ።+ 5 ኦ ባሕሪ፡ እንታይ ኣህዲሙኪ፧+ ኦ ዮርዳኖስከ፡ ስለምንታይ ንድሕሪት ተመሊስካ፧+ 6 ኦ ኣኽራን፡ ከም ደዓውል፡ኦ ኵርባታትከ፡ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም ስለምንታይ ኢኹም፧ 7 ኦ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ያእቆብ ራዕራዕ በሊ፣+ 8 ንሱ ንኸውሒ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያታት ማይ፡ንኸውሒ ኣዝሒት ድማ ናብ ዓይኒ ማያት ይልውጦ።+ 67 ኣምላኽ ሞገስ ኬርእየናን ኪባርኸናን እዩ፣ገጹ ኼብርሃልና እዩ፣+ (ሴላ) 2 በዚ ኸምዚ፡ መገድኻ ኣብ ብዘላ ምድሪ፡+ግብርታት ድሕነትካ ድማ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ኪፍለጥ እዩ።+ 3 ኦ ኣምላኽ፡ ህዝብታት ይወድሱኻ፣ኵሎም ህዝብታት ይወድሱኻ። 4 ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም ኢኻ እሞ፡+ኣህዛብ ይተሓጐሱን እልል ይበሉን።+ ንኣህዛብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ። (ሴላ) 5 ኦ ኣምላኽ፡ ህዝብታት ይወድሱኻ፣ኵሎም ህዝብታት ይወድሱኻ። 6 ምድሪ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣+ኣምላኽ፡ ኣምላኽና፡ ኪባርኸና እዩ።+ 7 ኣምላኽ ኪባርኸና እዩ፣ኵሉ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ኪፈርሆ* እዩ።+ 92 ንየሆዋ ምምስጋን፡+ኦ ልዑል፡ ንስምካ ድማ ውዳሰ ምዝማር* ጽቡቕ እዩ፣ 2 ብንግሆ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡+ብለይቲ ኸኣ ንተኣማንነትካ ምንጋር፡ 3 ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብዑድን፡ጥዑም ብዝደሃዩ መሰንቆ* ጌርካ ምምስጋን ጽቡቕ እዩ።+ 4 ኦ የሆዋ፡ ብግብርታትካስ ኣሐጒስካኒ ኢኻ፣ብተግባራት ኣእዳውካ እልል ክብል እየ። 5 ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካ ኽንደይ ኰን ዓብዪ እዩ!+ ሓሳባትካ ኽንደይ ኰን ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ!+ 6 ዘይሓስብ ሰብ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ፣ዓሻ እውን ነዚ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ፦+ 7 እኩያት ከም ሳዕሪ ይስዕርሩ፡ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ድማ ይልምልሙ፣እዚ ግና ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ።+ 8 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዕል ዝበልካ ኢኻ። 9 እወ፡ ኦ የሆዋ፡ ንጸላእትኻ ብዓወት ርኣዮም፣ጸላእትኻ ኸመይ ከም ዚጠፍኡ ርአ። ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ፋሕ ኪብሉ እዮም።+ 10 ንስኻ ግና ንብርታዐይ* ከም ናይ ጐባይ ልዕል ከተብሎ ኢኻ፣ቈርበተይ ብሓድሽ ዘይቲ ኸርሕስ እየ።+ 11 ኣዒንተይ ንጸላእተይ ብዓወት ኪርእያኦም እየን፣+ኣእዛነይ ድማ ብዛዕባ ውድቀት እቶም ዜጥቅዑኒ እኩያት ኪሰምዓ እየን። 12 ጻድቕ ግና ከም ኦም ስየ ኺልምልም፡ከም ቄድሮስ ሊባኖስ ከኣ ኪዓቢ እዩ።+ 13 ንሳቶም ኣብ ቤት የሆዋ እተተኽሉ እዮም፣ኣብ ኣጸዳት ኣምላኽና ድማ ይልምልሙ።+ 14 ብግዜ እርጋን* እኳ ይለምዑ፡+ይብርትዑን* ይሕደሱን፣+ 15 የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ኸኣ ይነግሩ። ንሱ ኸውሐይ እዩ፣+ ኣብኡ እውን ዓመጻ የልቦን። 3 ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ተጻረርተይ በዚሖም፧+ ስለምንታይከ ብዙሓት ኣንጻረይ ይትንስኡ ኣለዉ፧+ 2 ብዙሓት ብዛዕባይ፡*“ኣምላኽ ኣይኬድሕኖን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።+ (ሴላ)* 3 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣+ክብረይን+ ንርእሰይ ልዕል እተብላን ኢኻ።+ 4 ዓው ኢለ ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ፣ንሱ ድማ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኺምልሰለይ እዩ።+ (ሴላ) 5 በጥ ክብልን ክድቅስን እየ፣የሆዋ ይድግፈኒ እዩ እሞ፡ብደሓን ክነቅሕ እየ።+ 6 ነቶም ብዙርያይ ዚስርዑ ኣእላፋትኣይፈርሆምን እየ።+ 7 ኦ የሆዋ፡ ተንስእ! ኦ ኣምላኸይ፡ ኣድሕነኒ!+ ንስኻስ ንዅሎም ጸላእተይ ምንጋጋኦም ትወቕዖም፡ኣስናን እኩያት እውን ትሰብር ኢኻ።+ 8 ድሕነት ናይ የሆዋ እዩ።+ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ እዩ። (ሴላ) 52 ኣታ ጅግና፡ ስለምንታይ ኢኻ ብእከይ ግብርታትካ እትምካሕ፧+ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንምሉእ መዓልቲ እዩ።+ 2 እታ ኸም መላጸ በላሕ ዝዀነት ልሳንካ+ኽፉእ ትሓስብ፡ ምትላል ከኣ ትገብር።+ 3 ካብ ሰናይሲ እከይ፡ካብ ቅኑዕ እውን ሓሶት ትፈቱ ኢኻ። (ሴላ) 4 ኣቲ መታለሊት ልሳን፡ኵሉ ጐዳኢ ቓል ትፈትዊ። 5 ስለዚ እዩ ኣምላኽ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዜጥፍኣኪ፣+ኪምንዝዓክን ካብ ድንኳንኪ ኺምንጭተክን እዩ።+ ካብ ምድሪ ህያዋን ኪምሕወኪ እዩ።+ (ሴላ) 6 ጻድቃን ነዚ ኺርእዩን ኪፈርሁን፡+ብእኡ ድማ ኪስሕቁ እዮም።+ 7 “ንኣምላኽ መዕቈቢኡ* ዘይገበሮ፡+የግዳስ፡ ብብዝሒ ሃብቱ እተኣመነ፡+ኣብ እኩይ ውዲታቱ* ኸኣ እተጸግዐ* ሰብ እንሀ።” 8 ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ልሙዕ ኦም ኣውልዕ ክኸውን እየ፣እምንቶይ ንዘለኣለመ ኣለም ኣብቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እዩ።+ 9 ስጕምቲ ስለ ዝወሰድካ፡ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ፣+ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እሙናትካብስምካ ተስፋ ኽገብር እየ።+ 24 ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉንእታ ፍርያም ምድርን ኣብኣ ዚቕመጡ ዅሎምን ናይ የሆዋ እዮም።+ 2 ከመይሲ፡ ንሱ ኣብ ባሕርታት ሰሪትዋ፡+ኣብ ኣፍላግ ከኣ ኣጽኒዕዋ እዩ። 3 ናብ ከረን የሆዋ ዚድይብ መን እዩ፧+ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምከ መን እዩ፧ 4 ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፡+ብህይወተይ* ናይ ሓሶት ማሕላ ዘይመሓለ፡ብምትላል ድማ ዘይመሓለ።+ 5 ንሱ ኻብ የሆዋ በረኸት፡+ካብ ናይ ድሕነት ኣምላኹ ኸኣ ጽድቂ* ኪቕበል እዩ።+ 6 እዚኣቶም እቶም ዚደልይዎ ወለዶ፡ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ እቶም ገጽካ ዚደልዩ እዮም። (ሴላ) 7 ኣቱም ኣፍ ደገታት፡ ርእስኹም ኣልዕሉ፣+እቲ ኽቡር ንጉስ ኪኣቱስ፡+ኣቱም ናይ ጥንቲ መእተዊታት፡ ተኸፈቱ!* 8 እቲ ኽቡር ንጉስከ መን እዩ፧ እቲ ብርቱዕን ሓያልን የሆዋ፡+እቲ ኣብ ውግእ ብርቱዕ የሆዋ።+ 9 ኣቱም ኣፍ ደገታት፡ ርእስኹም ኣልዕሉ፣+እቲ ኽቡር ንጉስ ኪኣቱስ፡ኣቱም ናይ ጥንቲ መእተዊታት፡ ተኸፈቱ! 10 እቲ ኽቡር ንጉስከ መን እዩ፧ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡—እቲ ኽቡር ንጉስ ንሱ እዩ።+ (ሴላ) 99 የሆዋ ነጊሱ።+ ህዝብታት ራዕራዕ ይበሉ። ንሱ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ይቕመጥ።+ ምድሪ ትናወጽ። 2 የሆዋ ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፣ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ድማ ልዑል እዩ።+ 3 ዜፍርህን ቅዱስን እዩ እሞ፡ነቲ ዓብዪ ስምካ ይወድስዎ።+ 4 ፍትሒ ዚፈቱ ሓያል ንጉስ እዩ።+ ንስኻ ቕንዕና ኣጽኒዕካ። ኣብ ያእቆብ ፍትሕን ጽድቅን ኣምጺእካ።+ 5 ንየሆዋ ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ድኳ እግሩ ኸኣ ስገዱ።*+ ንሱ ቕዱስ እዩ።+ 6 ሙሴን ኣሮንን ካብ ካህናቱ እዮም፣+ሳሙኤል ከኣ ካብቶም ስሙ ዚጽውዑ እዩ።+ ንየሆዋ ይጽውዕዎ፡ንሱ ድማ ይምልሰሎም።+ 7 ካብ ዓንዲ ደበና ይዛረቦም።+ ንሳቶም ከኣ መዘኻኸሪታቱን እቲ ዝሃቦም ስርዓትን ሓለዉ።+ 8 ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ መለስካሎም።+ ይቕረ ዝበልካሎም ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣+ግናኸ፡ ስለ ሓጥእ ግብርታቶም ቀጻዕካዮም።*+ 9 የሆዋ ኣምላኽና ቕዱስ እዩ እሞ፡+ንየሆዋ ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡+ኣብ ቅድሚ ቕዱስ ከረኑ እውን ስገዱ።*+ 32 ኣበሳኡ እተሓድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተኸድነሉ* ሕጉስ እዩ።+ 2 የሆዋ በደሉ ዘይጽብጽበሉ፡+ኣብ መንፈሱ ተንኰል ዘይብሉ ሰብ ሕጉስ እዩ። 3 ስቕ ኢለ ኸለኹ፡ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ማህሚኑ።+ 4 መዓልትን ለይትንሲ ኢድካ ኸቢዳትኒ።*+ ከምቲ ሃሩር ሓጋይ ንማይ ዜህፍፎ፡ ብርታዐይ ከምኡ ሃፊፉ።* (ሴላ) 5 ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ስሕተተይ ድማ ኣይከወልኩን።+ “ኣበሳይ ንየሆዋ ኽናዘዝ እየ” ኢለ።+ ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ።+ (ሴላ) 6 ስለዚ እዩ ገና እናተረኸብካ ኸለኻ፡+ኵሉ እሙን ናባኻ ዚጽሊ።+ ሽዑ፡ ዜዕለቕልቕ ማይ እኳ ኣይኪበጽሖን እዩ። 7 ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፣ካብ ጭንቂ ኽትሕልወኒ ኢኻ።+ ብእልልታ ድሕነት ክትከብበኒ ኢኻ።+ (ሴላ) 8 “ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ።+ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ።+ 9 ከምቲ ናባኻ ቕድሚ ምምጻኡከይፋንን ተባሂሉ ብልጓም ወይ ብልባብ ዚግራሕኣእምሮ ዘይብሉ ፈረስ ወይ በቕሊ ኣይትኹኑ።”+ 10 ስቓይ እኩይ ብዙሕ እዩ፣እቲ ብየሆዋ ዚእመን* ግና በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ይኽበብ።+ 11 ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም፣ኣቱም ቅኑዕ ዝልቦም ኵልኹም፡ እልል በሉ። 149 ንያህ ወድስዎ!* ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣+ኣብ ጉባኤ እሙናት ወድስዎ።+ 2 እስራኤል በቲ ዓብዪ ገባሪኡ ይተሓጐስ፣+ደቂ ጽዮን ብንጉሶም ባህ ይበሎም። 3 ንስሙ ብሳዕስዒት ይወድስዎ፣+ብኸበሮን ብመሰንቆን* ከኣ ውዳሰ ይዘምሩሉ።*+ 4 የሆዋስ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ።+ ንዓቃላት* ብድሕነት ይስልሞም እዩ።+ 5 እሙናት ብኽብሪ ይፈስሁ፣ኣብ ዓራቶም እልል ይበሉ።+ 6 ንኣምላኽ ዚውድስ መዝሙራት ኣብ ጐረሮኦም፡ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ኣብ ኢዶም ይኹን። 7 በዚ ድማ ንኣህዛብ ሕነ ይፈድዩ፣ንህዝብታት ከኣ ይቐጽዑ፣ 8 ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡ንልዑላኖም እውን ብመቝሕ ሓጺን ይኣስሩ፣ 9 ነቲ እተጻሕፈሎም ፍርዲ እውን ይፍጽምዎ።+ እዚ ኽብሪ እዚ ናይ ኵሎም እሙናቱ እዩ። ንያህ ወድስዎ!* 116 ድምጸይን ልማኖይን ሰሚዑ እዩ እሞ፡+ንየሆዋ አፍቅሮ እየ።* 2 ከመይሲ፡ እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ* እዩ፣+ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ* ድማ ክጽውዖ እየ። 3 ኣግማድ ሞት ከርዲኑኒ፣መቓብር ከኣ ሒዙኒ።*+ ብጭንቅን ብጓህን ተሰኒፈ።+ 4 ግናኸ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣናግፈኒ!”* ኢለስም የሆዋ ጸዊዐ።+ 5 የሆዋ ርሕሩሕን* ጻድቕን እዩ፣+ኣምላኽና መሓሪ እዩ።+ 6 የሆዋ ንዘይለበሙ ይሕልዎም።+ ኣነ ተዋሪደ፡ ንሱ እውን ኣድሒኑኒ። 7 የሆዋ ጽቡቕ ገይሩለይ እዩ እሞ፡ነፍሰይ* መሊሳ ተዕርፍ። 8 ንነፍሰይ* ካብ ሞት፡ንዓይነይ ካብ ንብዓት፡ ንእግረይ ካብ ምዕንቃፍ ኣናጊፍካየን ኢኻ።+ 9 ኣብ ምድሪ ህያዋን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽመላለስ እየ። 10 ኣሚነ፣ ስለዚ፡ ተዛሪበ፣+ኣዝዩ ጸቢቡኒ ነይሩ። 11 ኣነስ ሰምቢደ፡“ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ” ኢለ።+ 12 ኣብ ክንዲ እቲ ዅሉ ዝገበረለይ ጽቡቕሲ፡ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧ 13 ጽዋእ ድሕነት* ከልዕል፡ስም የሆዋ ድማ ክጽውዕ እየ። 14 ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቡ፡ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ።+ 15 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ሞት እሙናቱ ኽቡር እዩ።+ 16 ኦ የሆዋ፡ ኣነ ጊልያኻ እየ እሞ፡እልምነካ ኣለኹ። ኣነ ጊልያኻ፡ ወዲ ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ኻብ መእሰሪታተይ ፈቲሕካኒ ኢኻ።+ 17 መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ፣+ስም የሆዋ ኽጽውዕ እየ። 18 ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፡ንየሆዋ መብጽዓታተይ ክፍጽመሉ እየ፣+ 19 እወ፡ ኣብ ኣጸዳት ቤት የሆዋ፡+ኦ የሩሳሌም፡ ኣብ ማእከልኪ፡ ከምኡ ኽገብር እየ። ንያህ ወድስዎ!*+ 7 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።+ ካብ ኵሎም እቶም ዚሰጕጉኒ ኣድሕነንን ኣናግፈንን።+ 2 እንተ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ኣንበሳ ዚገብሮ፡ ኪሰላልዑኒ፡*+ዜናግፈኒ ዘይብለይ ኬጥፍኡኒ እዮም። 3 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣብዚ እንተ ተጋግየ፡ወይ እንተ ዓሚጸ፡ 4 ጽቡቕ ንዝገበረለይ እንተ በዲለ፡+ወይ ንጸላእየይ ብዘይ ምኽንያት እንተ ዘሚተዮ፡* 5 ጸላኢ ስዒቡ የርክበኒ፣*ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፡ንኽብረይ ከኣ ኣብ ሓመድ የጥፍኣዮ። (ሴላ) 6 ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ተንስእ፣ኣንጻር ነድሪ ጸላእተይ ተልዓል፣+ምእንታይ ንቓሕ፡ ፍትሒ ኺግበረለይ ድማ ኣዝዝ።+ 7 ኣህዛብ ይኽበቡኒ፣ዒራ ንስኻ ኻብ ላዕሊ ኽትጻረሮም ኢኻ። 8 የሆዋ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ ከም ጽድቀይንከም ንጽህናይን ፍረደኒ።+ 9 ንኽፍኣት እኩያት በጃኻ መወዳእታ ግበረሉ። ንጻድቕ ግና ሰርቶ፣+ከመይሲ፡ ልብን+ ውሽጣዊ ስምዒትን+ እትምርምር* ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ።+ 10 ኣምላኽ ዋልታይ እዩ፡+ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ድማ መድሓኒ እዩ።+ 11 ኣምላኽ ጻድቕ ፈራዲ እዩ፣+ኵሉ መዓልቲ ኸኣ ኣምላኽ ፍርድታቱ* ይእውጅ። 12 ሓደ እኳ እንተ ዘይተነሲሑ፡+ ሰይፉ ይስሕል፣+ቀስቱ ገቲሩ ይቕርብ።+ 13 ቀታሊ ኣጽዋሩ የዳሉ፣ሃልሃል ንዚብል ፍላጻታቱ ይቕርብ።+ 14 እከይ ንዝጠነሰ ርኣዮ፣ሽግር ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ።+ 15 ጕድጓድ ኵዒቱ የዕምቛ፣ግናኸ፡ ናብታ ዝገበራ ጕድጓድ ይወድቕ።+ 16 እቲ ዘምጽኦ ሽግር ናብ ርእሱ ይምለስ፣+ዓመጻኡ ድማ ኣብ መንበስበስታኡ ይወርድ። 17 ንየሆዋ ስለ ፍትሑ ኽውድሶ እየ፣+ንስም የሆዋ እቲ ልዑል፡+ ውዳሰ ኽዝምር* እየ።+ 133 እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓድነት ሓቢሮም ኪቕመጡስ፡ክንደይ ሰናይን ባህ ዜብልን እዩ!+ 2 ከምቲ ኣብ ርእሲ ዝፈሰሰ እሞ፡ናብ ጭሕሚ፡ናብ ጭሕሚ ኣሮን ዚወርድ፡ናብ ክሳድ ክዳኑ ድማ ዚወርድ ጽቡቕ ዘይቲ እዩ።+ 3 ከምቲ ኣብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ+ኣውሊ ሄርሞን እዩ።+ ኣብኡ ኸኣ የሆዋ በረኸቱ፡ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ኣዚዙ እዩ። 74 ኦ ኣምላኽ፡ ስለምንታይ ንዘለኣለም ደርቢኻና፧+ ስለምንታይከ ቝጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ኣባጊዕ መጓሰኻ ዚነድድ፧*+ 2 ነቲ ጥንቲ ዘጥረኻዮ ህዝቢ፡*+ነቲ ርስትኻ ኪኸውን እተበጆኻዮ ነገድ ዘክሮ።+ ነታ እትሓድረላ ኸረን ጽዮን እውን ዘክራ።+ 3 ስጕምትኻ ናብቲ ናይ ሓዋሩ ዑናታት ኣቕንዕ።+ ጸላኢ ነቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዅሉ ኣዕንይዎ።+ 4 ጸላእትኻ ኣብ ውሽጢ መአከቢኻ ጨዲሮም።+ ኣብኡ ድማ ምልክት ኪኸውን ናይ ርእሶም ሰንደቕ ዕላማ ኣቚሞም። 5 ከምቶም ኣብ ልዕሊ ብርቱዕ ዱር ፋስ ዜልዕሉ ሰባት ይመስሉ። 6 ንዅሉ እቲ ቕርጽታቱ+ ብፋስን ብሓጺንን ሰቢሮምዎ። 7 ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ።+ ነቲ ስምካ ዚጽውዓሉ ማሕደርካ ናብ ምድሪ ደርብዮም ኣርኪሶምዎ። 8 ንሳቶምን ዘርኦምን ብልቦም፡“ንዅለን እተን ናይ ኣምላኽ ዘበላ መአከቢታት* ነንድደን” ኢሎም። 9 ንሕና እንርእዮ ምልክታት የብልናን፣ነብዪ ኸኣ የሎን፣እዚ ኽሳዕ መዓስ ምዃኑ ዚፈልጥ ድማ የብልናን። 10 ኦ ኣምላኽ፡ ተጻራርስ ክሳዕ መዓስ እዩ ኺጸርፍ፧+ ጸላእስ ንዘለኣለምዶ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧+ 11 ስለምንታይ ንኢድካ፡ ነታ የማነይትኻ፡ እትገትኣ፧+ ካብ ሕቝፍኻ* ኣውጽኣያ እሞ ኣጥፍኣዮም። 12 ኣምላኽ ግና ካብ ቀደም ንጉሰይ እዩ፣ንሱ እቲ ኣብ ምድሪ ግብርታት ድሕነት ዚገብር እዩ።+ 13 ንስኻ ብብርታዐኻ ንባሕሪ ኣለዓዒልካዮ፣+ኣራእስ ዓበይቲ እንስሳታት ባሕሪ ኣብ ማያት ጨፍሊቕካ። 14 ንስኻ ኣራእስ ሌዋታን* ሓምሺሽካ፣ኣብ ምድረ በዳ ንዚነብሩ ህዝቢ ኸኣ ምግቢ ኪዀኖም ሂብካዮም። 15 ንስኻ ንዓይኒ ማያትን ንወሓይዝን መገዲ ኸፊትካሉ፣+ንስኻ ንዅሉ እቲ ወትሩ ዚውሕዝ ኣፍላግ ኣንቂጽካዮ።+ 16 መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲ እውን ናትካ እያ። ንስኻ ንብርሃንን ንጸሓይን ጌርካ።+ 17 ንስኻ ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ኣቚምካዮ፣+ንሓጋይን ንኽረምትን ከኣ ጌርካዮ።+ 18 ኦ የሆዋ፡ ባጫ ጸላእንዓሻ ህዝቢ ንስምካ ዘለዎ ንዕቀትን ዘክር።+ 19 ህይወት* ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣሕሊፍካ ኣይትሃብ። ህይወት ውጹዓትካ ንዘለኣለም ኣይትረስዕ። 20 እቲ ዝጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ዓመጻ መሊኡ ኣሎ እሞ፡ኪዳንካ ዘክር። 21 ድቑስ ሓፊሩ ኣይመለስ፣+ትሑትን ድኻን ስምካ ይባርኹ።+ 22 ኦ ኣምላኽ፡ ተንስእ እሞ ንጕዳይካ ተማጐተሉ። ዓሻ ምሉእ መዓልቲ ኼባጭወልካ ኸም ዚውዕል ዘክር።+ 23 ጸላእትኻ ዚብልዎ ዘለዉ ኣይትረስዕ። ጭድርታ እቶም ዚዳፈሩኻ ወትሩ ይዓርግ ኣሎ። 48 ኣብ ከተማ ኣምላኽና፡ ኣብ ቅዱስ ከረኑ፡የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ። 2 ኣብ ርሑቕ ሰሜን ዘላ ኸረን ጽዮን፡ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡+ብልዕልናኣ ጽብቕቲ፡ ሓጐስ ኵላ ምድሪ እያ።+ 3 ኣብ እተዓርደ ግምብታታ፡ኣምላኽ እምባ* ምዃኑ ኣፍሊጡ።+ 4 እንሆ፡ ነገስታትሲ ተኣኪቦም፣*ሓቢሮም ከኣ ገስጊሶም። 5 ምስ ረኣይዋ፡ ተደኒቖም። ሰምቢዶም፡ ተሸቢሮም ድማ ሃዲሞም። 6 ኣብኡ ራዕዲ፡ከም ናይ እትወልድ ሰበይቲ ዝበለ ቕልውላው ሒዝዎም። 7 ንስኻ ብንፋስ ምብራቕ ንመራኽብ ተርሲስ ትሰባብረን። 8 ነቲ ዝሰማዕናዮ፡ኣብ ከተማ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ከተማ ኣምላኽና ባዕልና ርኢናዮ። ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬጽንዓ እዩ።+ (ሴላ) 9 ኦ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስካብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣጸቢቕና ሓሲብና።+ 10 ኦ ኣምላኽ፡ ውዳሰኻ ኸም ስምካኽሳብ ወሰናት ምድሪ ይበጽሕ።+ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ።+ 11 ስለ ፍርድታትካ፡ ከረን ጽዮን+ ትተሓጐስ፣ዓድታት* ይሁዳ እውን ይተሓጐሳ።+ 12 ንጽዮን ዙርዋ፣ ንዅላ ዅለልዋ፣ግምብታታ ቝጸሩ።+ 13 ልብኹም ናብቲ ዕርድታታ ኣቕንዑ።+ ንዚመጽእ ወለዶታት ብዛዕባኡ ኽትነግሩስ፡ንእተዓርደ ግምብታታ መርምርዎ። 14 እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ።+ ንሱ ንሓዋሩ* ኺመርሓና እዩ።+ 90 ኦ የሆዋ፡ ንውሉድ ወለዶ መንበሪና*+ ዄንካ ኢኻ። 2 ኣኽራን ከይተወልደ፡ምድርን ፍርያም ምድርን እውን ከይገበርካ፡*+ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ።+ 3 ንመዋቲ ሰብ ናብ ሓመድ ትመልሶ፣“ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ” ኸኣ ትብል።+ 4 ሽሕ ዓመትሲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኸምታ ዝሓለፈት ትማሊ፡+ከም ሓለዋ ለይቲ እያ። 5 ትዅስትሮም፡+ ከም ድቃስ ይዀኑ፣ንግሆ ኸኣ ከምቲ ዚበቍል ሳዕሪ እዮም።+ 6 ንግሆ ይዕምብብን ይልምልምን፣ንምሸቱ ግና ይጽምሉን ይነቅጽን።+ 7 ብቝጥዓኻስ ተወዲእና፣+ብነድርኻ እውን ተሸቢርና። 8 ስሕተትና ኣብ ቅድሜኻ ጌርካዮ፣*+ምስጢራትና ብብርሃን ገጽካ ተቓሊዑ።+ 9 ብነድርኻ መዓልትታትና ይጽንቀቓ፣*ዓመታትና ድማ ከም ሕሽዅታ* ይውድኣ። 10 ዕድመና 70 ዓመት፡ኣዝዩ ብርቱዕ እንተ ተረኽበ* ኸኣ 80 እዩ።+ ግናኸ፡ ሽግርን ጓህን ዝመልኦ እዩ፣ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ በሪርና ድማ ንኸይድ።+ 11 ሓይሊ ቝጥዓኻ ኺፈልጥ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ነድርኻ ኸምቲ ንዓኻ ዚግባእ ፍርሃት ዓብዪ እዩ።+ 12 ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኸነጥርስ፡መዓልትታትና ኸመይ ከም እንቘጽር ምሃረና።+ 13 ኦ የሆዋ፡ ተመለስ!+ እዝስ ክሳዕ መዓስ ኪቕጽል እዩ፧+ ንገላዉኻ ደንግጸሎም።+ 14 ኵለን መዓልትታትና እልል ክንብልን ክንሕጐስንሲ፡+ንግሆ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣጽግበና።+ 15 ብመጠን እተን ዘጽበብካልና መዓልትታት፡+ከም ብዝሒ እተን መዓት ዝረኣናለን ዓመታት ኣሐጕሰና።+ 16 ገላዉኻ፡ ተግባርካ ይርኣዩ፣ደቆም ድማ፡ ግርማኻ ይርኣዩ።+ 17 ሞገስ የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና።* እወ፡ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና።*+ 61 ኦ ኣምላኽ፡ ኣውያተይ ስማዕ። ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ።+ 2 ልበይ ምስ ቀበጸ፡*+ካብ ወሰናት ምድሪ ናባኻ ኸእዊ እየ፣ካባይ ልዕል ናብ ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።+ 3 ንስኻስ መዕቈብየይ፡ካብ ጸላኢ ዜዕቍበኒ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ።+ 4 ንዘለኣለም ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ክኸውን እየ፣+ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ኽዕቈብ እየ።+ (ሴላ) 5 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻስ መብጽዓታተይ ሰሚዕካ ኣለኻ። ርስቲ እቶም ስምካ ዚፈርሁ ሂብካኒ ኣለኻ።+ 6 ንዕድመ* ንጉስ መዓልትታት ክትውስኸሉ ኢኻ፣+ዓመታቱ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኪኸውን እዩ። 7 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ዝፋን ኪቕመጥ* እዩ፣+ምእንቲ ኺሕልዋኦስ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ሃቦ።+ 8 ሽዑ፡ መዓልቲ መዓልቲ መብጽዓታተይ ክፍጽም ከለኹ፡+ንስምካ ንዘለኣለም ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።+ 84 ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡እቲ ዓብዪ ማሕደርካ ኽንደይ ኰን ይፍተወካ!+ 2 ንኣጸዳት የሆዋሃረር እብሎ ኣለኹ፣*እወ፡ ብናፍቖት ተወዲአ ኣለኹ።+ ልበይን ስጋይን ነቲ ህያው ኣምላኽ እልል ይብለሉ ኣሎ። 3 ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጉሰይን ኣምላኸይን፡ኣብ ጥቓ እቲ ዓብዪ መሰውኢኻዑፍ እኳ ቤት ረኺባ፣ለዃዂቶ እውን ጨቓዊታ እተንብረሉሰፈር ረኺባ! 4 ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ሕጉሳት እዮም!+ ወትሩ ይውድሱኻ።+ (ሴላ) 5 ብርታዐኦም ካባኻ ዚረኽቡ፡+ልቦም ናብቲ ጐደናታት ዚገብሩ፡ ሕጉሳት እዮም። 6 ብስንጭሮ ባኻ* ኺሓልፉ ኸለዉ፡ቦታ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ዝናም ኣዝመራ ኸኣ ብበረኸት ይኸድኖ።* 7 ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣+ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይርኣዩ። 8 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ጽን በል። (ሴላ) 9 ኣታ ዋልታናን ኣምላኽናን፡ ርአ፣*+ገጽ ቅቡእካ እውን ጠምት።+ 10 ካብ ሽሕ ኣብ ካልእሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ!+ ኣብ ድንኳናት እኩያት ካብ ምቕማጥሲ፡ኣብ ድርኵዂት ቤት ኣምላኸይ ደው ምባል እመርጽ። 11 የሆዋ ኣምላኽሲ ጸሓይን+ ዋልታን እዩ፣+ሞገስን ክብርን ከኣ ይህብ። የሆዋ ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ጽቡቕ ዘበለ ኣይከልኦምን እዩ።+ 12 ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ብኣኻ ዚእመን* ሰብ ሕጉስ እዩ።+ 45 ልበይ ብጽቡቕ ነገር ይለዓዓል ኣሎ። “መዝሙረይ* ብዛዕባ ንጉስ እዩ” እብል።+ ልሳነይ ከም ብርዒ+ ኽኢላ ቐዳሒ* ትኹን።+ 2 ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ። ካብ ከናፍርካ ጥዑም ዘረባ ይፈስስ።+ ስለዚ እዩ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዝባረኸካ።+ 3 ኣታ ጅግና፡+ ብኽብርኻን ብግርማኻን፡+ሰይፍኻ+ ኣብ ሕቘኻ ተዓጠቕ። 4 ብግርማኻ ኸኣ ናብ ዓወት* ኪድ፣+ምእንቲ ሓቅን ትሕትናን ጽድቅን ተወጣሕ።+ የማነይትኻ ዜፍርህ ነገራት ክትገብር* እያ። 5 ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፣ ንህዝብታት ኣብ ቅድሜኻ የውድቓኦም፣+ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይወግኣ።+ 6 ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣+ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና* እያ።+ 7 ጽድቂ ፈቲኻ፡+ እከይ ከኣ ጸሊእካ።+ ስለዚ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ+ ቐቢኡካ።+ 8 ኵሉ ኽዳውንትኻ ኸርበን ዓልወን ቃስያን* ይጨኑ፣ካብቲ ዓብዪ ቤተ መንግስቲ ስኒ ሓርማዝ፡ በገናታት የሐጕሰካ። 9 ኣዋልድ ነገስታት ኣብ መንጎ ኽቡራት እመቤታትካ እየን። እታ ሰበይቲ ንጉስ* ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ቘይማ ኣላ።+ 10 ጓለየ፡ ስምዒ፡ ኣቕልቢ፡ እዝንኺ እውን ኣድንኒ፣ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ። 11 ንጉስ ንጽባቐኺ ይብህጎ፣ንሱስ ጐይታኺ እዩ እሞ፡ስገድሉ። 12 ጓል ጢሮስ ህያብ ሒዛ ኽትመጽእ እያ፣ካብ ሰባት እቶም ዝሃብተሙ፡ ሞገስኪ ኺደልዩ* እዮም። 13 ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ* ኣዝያ እተደንቕ እያ፣ክዳውንታ ብወርቂ እተሰለመ* እዩ። 14 ብጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንታ* ተኸዲና ናብ ንጉስ ትመጽእ። ዚስዕባኣ ደናግል ኣዳኖታታ ኣብ ቅድሜኻ ይቐርባ። 15 ብሓጐስን ብደስታን ኪመጻ፡ናብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ድማ ኪኣትዋ እየን። 16 ደቅኻ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ እዮም። ኣብ ኵላ ምድሪ ኸኣ መሳፍንቲ ጌርካ ኽትሸሞም ኢኻ።+ 17 ስምካ ንውሉድ ወለዶ ኸም ዚፍለጥ ክገብሮ እየ።+ ስለዚ እዮም ህዝብታት ንዘለኣለመ ኣለም ዚውድሱኻ። 56 ኦ ኣምላኽ፡ መዋቲ ሰብ የጥቅዓኒ* ኣሎ እሞ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ። ምሉእ መዓልቲ ይብኣሱንን ይጭቍኑንን ኣለዉ። 2 ጸላእተይ ምሉእ መዓልቲ ይነኻኽሱኒ ኣለዉ፣ብዙሓት ብትዕቢት ይብኣሱኒ ኣለዉ። 3 ምስ ዝፈርህ፡+ ብኣኻ እእመን* እየ።+ 4 ብኣምላኽ፡—በቲ ንቓሉ ዝውድሶ፡—ብኣምላኽ እእመን* እየ፣ ኣይፈርህን ከኣ እየ። ሰብከ* እንታይ ከይገብረኒ፧+ 5 ምሉእ መዓልቲ ንጕዳየይ የበላሽውዎ፣ንጕድኣተይ ጥራይ እዮም ዚሓስቡ።+ 6 ኬጥቅዑኒ ኢሎም ይሕብኡ፣ህይወተይ* ኬጥፍኡ እናተጸበዩ፡+ኵሉ ስጕምተይ ይቋመቱ።+ 7 ብሰሪ እከዮም ደርብዮም። ኦ ኣምላኽ፡ ብቝጥዓኻ ንኣህዛብ ኣውድቆም።+ 8 ንምዅብላለይ ትጽብጽቦ ኣለኻ።+ ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ።+ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተመዝገበን፧+ 9 በታ ዘእውየላ መዓልቲ፡ ጸላእተይ ኬንሳሕቡ እዮም።+ በዚ እተኣማመን እየ፦ ኣምላኽ ኣብ ጐድነይ እዩ።+ 10 ብኣምላኽ፡—በቲ ንቓሉ ዝውድሶ፡—ብየሆዋ፡—በቲ ንቓሉ ዝውድሶ፡— 11 ብኣምላኽ እእመን* እየ፣ ኣይፈርህን ከኣ እየ።+ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧+ 12 ኦ ኣምላኽ፡ ንዓኻ ዝኣቶኽዎ መብጽዓ ኣሎኒ፣+ምስጋና ከቕርበልካ እየ።+ 13 ብብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኽመላለስሲ፡+ካብ ሞት ኣናጊፍካኒ፡*+ንኣእጋረይ ከኣ ካብ ምዕንቃፍ ኣድሒንካየን ኢኻ።+ 117 ኵልኹም ኣህዛብ፡ ንየሆዋ ወድስዎ፣+ኵልኹም ህዝብታት፡* ኣሞግስዎ።+ 2 ብተኣማንነት ዜርእየና ፍቕሩስ ዓብዪ እዩ፣+ተኣማንነት+ የሆዋ ንዘለኣለም ይነብር።+ ንያህ ወድስዎ!*+ 135 ንያህ ወድስዎ!* ስም የሆዋ ወድሱ፣ኣቱም ገላዉ የሆዋ፡ ወድሱ።+ 2 ኣቱም ኣብ ቤት የሆዋ፡ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ወድሱ።+ 3 የሆዋ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንያህ ወድስዎ።+ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንስሙ ውዳሰ ዘምሩሉ።* 4 ያህሲ ንያእቆብ፡ ንዕኡ ኪኸውን፡ንእስራኤል ከኣ፡ ፍሉይ ጥሪቱ* ኪኸውን ሓርይዎ እዩ።+ 5 የሆዋ ዓብዪ ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣ጐይታና ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ይዓቢ።+ 6 የሆዋ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን፡ ኣብ ባሕርታትን ኣብ ኵሉ መዓሙቝን፡ባህ ዝበሎ ዅሉ ይገብር እዩ።+ 7 ካብ ወሰናት ምድሪ ደበናታት* የዕርግ፣ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣ካብ ማዕከኑ ንፋስ የውጽእ።+ 8 ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡በዅራት ግብጺ ወቕዐ።+ 9 ኦ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ገላዉኡን፡+ኣብ መንጎኺ ትእምርትታትን ተኣምራትን ሰደደ።+ 10 ብዙሓት ኣህዛብ ወቕዐ፣+ሓያላት ነገስታት ድማ ቀተለ፣+ 11 እወ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን+ንዖግ ንጉስ ባሳንን+ንዅለን መንግስትታት ከነኣንን ኣጥፍአ። 12 ምድሮም ከኣ ርስቲ ገይሩ ሃበ፣ንህዝቡ እስራኤል ኣረስተዮ።+ 13 ኦ የሆዋ፡ ስምካ ንዘለኣለም ይነብር እዩ። ኦ የሆዋ፡ ዝናኻ* ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+ 14 የሆዋስ ንህዝቡ ኺጣበቐሎም፡*+ንገላዉኡ ድማ ኪርሕርሓሎም* እዩ።+ 15 ጣኦታት ኣህዛብሲ ኢድ ሰብ ዝገበሮምብሩርን ወርቅን እዮም።+ 16 ኣፍ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይዛረቡን፣+ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣ 17 ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፣ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።+ 18 እቶም ዚገብርዎም፡ ከማታቶም ኪዀኑ እዮም፣+ኵሎም እቶም ብኣታቶም ዚእመኑ* እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+ 19 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንየሆዋ ወድስዎ። ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ንየሆዋ ወድስዎ። 20 ኣቱም ቤት ሌዊ፡ ንየሆዋ ወድስዎ።+ ኣቱም ንየሆዋ እትፈርሁ፡ ንየሆዋ ወድስዎ። 21 እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር የሆዋ፡+ካብ ጽዮን ይወደስ።+ ንያህ ወድስዎ!+ 132 ኦ የሆዋ፡ ንዳዊትንንዅሉ መከራኡን ዘክር፣+ 2 እወ፡ ከመይ ንየሆዋ ኸም ዝመሓለ፡ነቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ከመይ ከም እተመባጽዐ ዘክር፦+ 3 “ናብ ድንኳነይ፡ ናብ ቤተይ ኣይኣቱን እየ።+ ኣብ ዓራተይ፡ ኣብ መደቀስየይ በጥ ኣይብልን እየ። 4 ንኣዒንተይ ድቃስ፡ንኸበሮ ዓይነይ ሰለምታ ኣይህብን እየ። 5 ንየሆዋ ቦታ፡ነቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ድማ ብሉጽ መንበሪ* ኽሳዕ ዝረኽበሉ፡ እዚ ኣይገብርን እየ።”+ 6 እንሆ፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰሚዕና፣+ኣብ መሮር ዱር ረኺብናያ።+ 7 ናብ መንበሪኡ* ንእቶ፣+ኣብ ድኳ እግሩ ንስገድ።+ 8 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ምስቲ ታቦት ብርታዐኻናብ መዕረፊኻ ኽትመጽእሲ ተንስእ።+ 9 ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱ፣እሙናትካ ድማ እልል ይበሉ። 10 ምእንቲ ጊልያኻ ዳዊት፡ንቕቡእካ ኣይትእበዮ።*+ 11 የሆዋ ንዳዊት ምሒሉሉ እዩ፣ብርግጽ ድማ ቃሉ ኣይኪዓጽፍን እዩ። እወ፡ “ሓደ ኻብ ዘርእኻ፡*ኣብ ዝፋንካ ኸንብር እየ።+ 12 ደቅኻ ኺዳነይንእቲ ዝምህሮም መዘኻኸሪታተይን እንተ ሓልዮም፡+ደቆም እውንኣብ ዝፋነይ ንዘለኣለም ኪቕመጡ እዮም” ኢልዎ እዩ።+ 13 የሆዋስ ንጽዮን ሓርይዋ እዩ፣+መንበሪቱ ኽትከውን ብሂግዋ እዩ፦+ 14 “እዚኣ ንዘለኣለም መዕረፊተይ እያ፣ባህገይ እዚ እዩ እሞ፡ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።+ 15 ብሽሻይ ኣብዚሐ ኽባርኻ እየ፣ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ።+ 16 ንኻህናታ ድሕነት ከልብሶም እየ፣+እሙናታ ኸኣ እልል ኪብሉ እዮም።+ 17 ኣብኣ ብርታዐ* ዳዊት ከዕቢ እየ። ንቕቡአይ መብራህቲ ኣዳልየሉ ኣለኹ።+ 18 ንጸላእቱ ሕፍረት ከልብሶም እየ፣ኣብ ርእሱ ዘሎ ዘውዲ ግና ኪምዕብል እዩ።”+ 12 ኦ የሆዋ፡ እሙን ተሳኢኑ እዩ እሞ፡ ኣድሕነኒ፣እሙናት ካብ መንጎ ሰባት ጠፊኦም። 2 ንሓድሕዶም ሓሶት ይዛራረቡ፣ብኸናፍሮም ይሽሕጡ፡* ብመታለሊ ኣልባብ* ይዛረቡ።+ 3 የሆዋ ንዅለን ዚሽሕጣ ኸናፍርንዓብዪ ትምክሕቲ ንእትዛረብ ልሳንን ኪቘርጽ እዩ።+ 4 ንሳቶም፡ “ብልሳንና ኽንስዕር ኢና። ንኸናፍርና ኸም ቃሕ ዝበለና ጌርና ንጥቀመሉ ኢና፣መን እዩ ጐይታና ዚኸውን፧” ይብሉ።+ 5 “ውጹዓት ስለ እተጨቈኑ፡ድኻታት ድማ እህህ ስለ ዝበሉ፡+ክትንስእ እየ” ይብል የሆዋ። “ካብቶም ዚንዕቕዎም* ከድሕኖም እየ።” 6 ቃላት የሆዋ ንጹህ እዩ፣+ኣብ እቶን መሬት* ከም ዝጸረየ፡ ሸውዓተ ሳዕ ከም ዝነጽሀ ብሩር እዩ። 7 ኦ የሆዋ፡ ክትሕልዎም፡+ንነፍሲ ወከፎም ካብዚ ወለዶ እዚ ንዘለኣለም ከተዕቍቦም ኢኻ። 8 ደቂ ሰብ እከይ ስለ ዜስፋሕፍሑ፡እኩያት ብዘይ ቀይዲ ይዞሩ።+ 134 ኵልኹም ገላዉ የሆዋ፡+ኣቱም ብለይቲ ኣብ ቤት የሆዋ እትቘሙ፡+ንየሆዋ ወድስዎ። 2 ኣእዳውኩም ብቕድስና* ኣልዕሉ፡+ንየሆዋ ኸኣ ወድስዎ። 3 እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ የሆዋ፡ካብ ጽዮን ይባርኽካ። 1 ብምኽሪ እኩያት ሰባት ዘይመላለስ፡ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡+ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ ሰብ ሕጉስ እዩ።+ 2 ንሱ ብሕጊ የሆዋ ደኣ ይድሰት፣+ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ።*+ 3 ንሱ ኸምታ ፍሪኣ በብግዜኣ እተፍሪ፡ኣቝጽልታ ኸኣ ዘይጽምሉ፡ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።+ 4 እኩያት ከምኡ ኣይኰኑን፣ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቝቡቝ ደኣ እዮም። 5 ስለዚ እዮም እኩያት ኣብ ፍርዲ፡+ሓጥኣን እውን ኣብ ኣኼባ ጻድቃን ዘይቈሙ።+ 6 ከመይሲ፡ የሆዋ ንመገዲ ጻድቃን ይፈልጣ እዩ፣+መገዲ እኩያት ግና ክትጠፍእ እያ።+ 49 ኣቱም ህዝቢ ዅልኹም፡ እዚ ስምዑ። ኣቱም ነበርቲ ዓለም* ኵልኹም፡ ጽን በሉ፣ 2 እወ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡*ሃብታማትን ድኻታትን ብሓባር ጽን በሉ። 3 ኣፈይ ጥበብ ክትዛረብ፡ምስትንታን ልበይ+ ከኣ ምስትውዓል ኬውስእ እዩ። 4 ናብ ምስላታት ከቕልብ፡ሕንቅሕንቅሊተየይ ብመሰንቆ* ኽገልጽ እየ። 5 ብእከይ* እቶም ኪግልብጡኒ ዚደልዩ ተኸቢበ ኸለኹ፡ብግዜ ሽግር ስለምንታይ እየ ዝፈርህ፧+ 6 እቶም ብጥሪቶም ዚእመኑ፡+ብብዝሒ ሃብቶም ድማ ዚምክሑ፡+ 7 ዋላ ሓዲኦም ንሓዉ ኺብጀዎ፡ወይ በጃ ንኣምላኽ ኪህበሉ ዚኽእል የልቦን፣+ 8 (ዋጋ በጃ ህይወቶምሲ* ኣዝዩ ኽቡር ብምዃኑ፡ወትሩ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ)፣ 9 ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጕድጓድ* እውን ከይርእስ፡ እዚ ኺገብረሉ ዚኽእል የልቦን።+ 10 ንሱስ ጥበበኛታት እኳ ኸም ዚሞቱ፡ዓሻን ዘይሓስብን ብሓባር ከም ዚጠፍኡ፡+ጥሪቶም ድማ ንኻልኦት ከም ዚሓድጉሎም ይርኢ።+ 11 ኣባይቶም ንዘለኣለም፡ድንኳናቶም ንውሉድ ወለዶ ኺነብር ብውሽጦም ይምነዩ። ንምድሮም በብስሞም ሰምዮምዎ ኣለዉ። 12 ሰብ ግና ዋላ እኳ ዚኽበር እንተ ዀነ ኣይነብርን እዩ፣+ካብ ዚጠፍኡ እንስሳታት ኣይሓይሽን እዩ።+ 13 እዚኣ መገዲ ዓያሹን+መገዲ እቶም በቲ ባዶ ቓላቶም ባህ ኢልዎም ዚስዕብዎምን እያ። (ሴላ) 14 ከም ኣባጊዕ ናብ መቓብር* ተመዲቦም እዮም። ሞት ኪጓስዮም እዩ፣ንግሆ፡ ቅኑዓት ኪገዝእዎም እዮም።+ ኵሉ ኣሰሮም ኪጠፍእ እዩ፣+ኣብ ክንዲ ምዕሩግ ቤት ድማ፡ መቓብር*+ ቤቶም ኪኸውን እዩ።+ 15 ግናኸ፡ ኣምላኽ ኪሕዘኒ እዩ እሞ፡ካብ ኢድ መቓብር* ኪብጀወኒ* እዩ።+ (ሴላ) 16 ሰብ ስለ ዝሃብተመ፡ግርማ ቤቱ ድማ ስለ ዝወሰኸ፡ ኣይትፍራህ፣ 17 ምስ ሞተስ፡ ገለ እኳ ኺማላእ ኣይክእልን እዩ፣+ግርማኡ ምስኡ ኣይወርድን እዩ።+ 18 ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንርእሱ፡* ‘እንቋዕ ሓጐሰኪ’ ይብላ።+ (ሰባትሲ ምስ በልጸግካ ይውድሱኻ እዮም።)+ 19 ኣብ መወዳእታ ግና፡ ምስ ወለዶ ኣቦታቱ ይጽምበር። ንሳቶምሲ ብርሃን ከቶ ኣይርእዩን እዮም። 20 እቲ ነዚ ዘይርድኦ ሰብ፡ ዋላ እኳ ዚኽበር እንተ ዀነ፡+ካብ ዚጠፍኡ እንስሳታት ኣይሓይሽን እዩ። 128 ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ብመገድታቱ ድማ ዚመላለስ ዘበለ ሕጉስ እዩ።+ 2 ኣእዳውካ ዝጸዓራሉ ኽትበልዕ ኢኻ። ሕጉስ ክትከውን፡ ጽቡቕ እውን ኪዀነልካ እዩ።+ 3 ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራዪት ተኽሊ ወይኒ ኽትከውን እያ፣+ደቅኻ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም እተተኽሉ ጨናፍር ኦም ኣውልዕ ኪዀኑ እዮም። 4 እንሆ፡ ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብከምኡ እዩ ዚባረኽ።+ 5 የሆዋ ኻብ ጽዮን ኪባርኸካ እዩ። ኵለን መዓልትታት ህይወትካ፡ ጽቡቕ የሩሳሌም ርአ፣+ 6 ደቂ ደቅኻ እውን ርአ። ሰላም ኣብ እስራኤል ይኹን። 77 ብድምጸይ ናብ ኣምላኽ ከእዊ እየ፣ናብ ኣምላኽ ከእዊ፡ ንሱ እውን ኪሰምዓኒ እዩ።+ 2 ብመዓልቲ ጭንቀይ ንየሆዋ ደልየዮ።+ ብለይቲ ኣእዳወይ ብዘይምቍራጽ* ናብኡ ተዘርጊሐን። ክጸናናዕ ኣይከኣልኩን።* 3 ንኣምላኽ ክዝክሮ ኸለኹ፡ እቝዝም፣+ተረቢሸ፡ ብርታዐይ እውን ጠሊሙኒ።*+ (ሴላ) 4 ንኸበሮ ዓይነይ ክፉታት ትገብረን። ተናዊጸ፡ ክዛረብ ከኣ ኣይከኣልኩን። 5 ሓሳባተይ ናብ ናይ ቀደም መዓልትታት፡+ናብ ናይ ጥንቲ ዓመታት ተመሊሱ። 6 ብለይቲ መዝሙረይ* እዝክር፣+ብልበይ ድማ ኣጸቢቐ እሓስብ፣+ብትግሃት ከኣ እምርምር።* 7 የሆዋዶ ንዘለኣለም ይድርብየና እዩ፧+ መሊሱኸ ሞገሱዶ ኸቶ ኣየርእን እዩ፧+ 8 እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለምዶ ኣቋሪጹ እዩ፧ እቲ ዜተስፍዎ ተስፋኸ ንውሉድ ወለዶዶ ኸንቱ ዀይኑ ኺተርፍ እዩ፧ 9 ኣምላኽዶ ሞገሱ ምርኣይ ረሲዑ እዩ፧+ ወይስ ቍጥዓኡዶ ንምሕረቱ ኣቋሪጽዎ እዩ፧ (ሴላ) 10 “ጭንቂ ዚዀነኒ* እዚ እዩ፣+እቲ ልዑል ንዓይ ዘለዎ ርእይቶ* ቐዪሩ እዩ” ኽብልዶ ኽነብር እየ፧ 11 ግብርታት ያህ ክዝክር እየ፣ናይ ቀደም ድንቂ ተግባራትካ ኽዝክር እየ። 12 ንዅሉ ንጥፈታትካ ድማ ከስተንትነሉ፡ንግብርኻ እውን ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ እየ።+ 13 ኦ ኣምላኽ፡ መገድታትካ ቕዱስ እዩ። ኦ ኣምላኽ፡ ከማኻ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን እዩ፧+ 14 ንስኻ ድንቂ ነገራት እትገብር ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ።+ ብርታዐኻ ንህዝብታት ኣፍሊጥካዮም።+ 15 ብሓይልኻ* ንህዝብኻ፡ንደቂ ያእቆብን ዮሴፍን ኣናጊፍካዮም።*+ (ሴላ) 16 ኦ ኣምላኽ፡ ማያት ርእዩካ፣ማያት ርእዩካስ፡ ተረቢሹ።+ መዓሙቝ ማያት ከኣ ተናዊጹ። 17 ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሲሱ። እተደባነወ ሰማያት ኣንጐድጒዱ፣ፍላጻታትካ ድማ ኣብዝን ኣብትን ተወርዊሩ።+ 18 ድምጺ ነጐዳኻ+ ኸም መንኰራዅር ሰረገላ እዩ ነይሩ፣በርቅታት ንዓለም* ኣብሪህዋ፣+ምድሪ ኸኣ ራዕራዕ ኢላን ኣንቀጥቂጣን።+ 19 ጐደናኻ ኣብ ባሕሪ፡+መገድኻ ኣብ ብዙሕ ማያት እዩ ነይሩ፣ኣሰርካ ግና ኣይተፈልጠን። 20 ንህዝብኻ ኸም መጓሰ+ብሙሴን ብኣሮንን* መሪሕካዮም።+ 36 ኣበሳ ንእኩይ ኣብ ውሽጢ ልቡ ይዛረቦ፣ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።+ 2 ስሕተቱ ኸም ዘይርከብን ከም ዘይጽላእን ገይሩስብኣዒንቱ ንርእሱ ይሽሕጣ።+ 3 ቃላት ኣፉ ጐዳእን መታለልን እዩ፣ሰናይ ንምግባር ከኣ ልቦና የብሉን። 4 ኣብ ዓራቱ እኳ ኽፍኣት ይሓስብ። ጽብቕቲ ኣብ ዘይኰነት መገዲ ይቐውም፣ንኽፉእ ኣይነጽጎን። 5 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽሳብ ሰማያት፡+ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ደበናታት ይበጽሕ። 6 ጽድቅኻ ግርማ ኸም ዘለዎ ኣኽራን* እዩ፣+ፍርድታትካ ኸም ገፊሕ መዓሙቝ ማያት እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ ንሰብን ንእንስሳን ተንብሮም።*+ 7 ኦ ኣምላኽ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኽንደይ ክቡር እዩ!+ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ፡ ደቂ ሰብ ይምዕቈቡ።+ 8 ብብዝሒ ልግሲ* ቤትካ ይረውዩ፣+ካብ ውሒዝ ደስታኻ እውን ተስትዮም።+ 9 ምንጪ ህይወት ምሳኻ እዩ፣+ብብርሃንካ ብርሃን ክንርኢ ኽኢልና።+ 10 ነቶም ዚፈልጡኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮም፣+ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ከኣ ጽድቅኻ ኣርእዮም።+ 11 እግሪ ዕቡይ ኪረግጸኒ፡ኢድ እኩያት ኪሰጕጐኒ ኣይትሕደግ። 12 ገበርቲ ኽፉእ ኣብኣ ወዲቖም፣ተደፊኦም፡ ኪትንስኡ ድማ ኣይክእሉን እዮም።+ 70 ኦ ኣምላኽ፡ ኣድሕነኒ፣ኦ የሆዋ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+ 2 እቶም ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ዚደልዩ፡ይሕፈሩን ይዋረዱን። እቶም ብመዓተይ ደስ ዚብሎም፡ናብ ውርደት የንሳሕቡ። 3 እቶም “ኣሰይ! ኣሰይ!” ዚብሉ፡ብሕፍረት ንድሕሪት ይመለሱ። 4 እቶም ዚደልዩኻ ግና፡ብኣኻ ይፈስሁን ይተሓጐሱን።+ እቶም ግብርታት ድሕነትካ ዚፈትዉ ኸኣ፡ወትሩ፡ “ኣምላኽ ይዕበ!” ይበሉ። 5 ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣+ኦ ኣምላኽ፡ ምእንታይ ቀልጥፍ።+ ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ፣+ኦ የሆዋ፡ ኣይትደንጒ።+ 29 ኣቱም ደቂ ሓያላት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፣ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+ 2 ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ። ንየሆዋ ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት* ስገዱሉ።* 3 ድምጺ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ማያት ተሰሚዑ፣እቲ ኽቡር ኣምላኽ ኣንጐድጒዱ።+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።+ 4 ድምጺ የሆዋ ሓያል እዩ፣+ድምጺ የሆዋ ግሩም እዩ። 5 ድምጺ የሆዋ ንቄድሮሳት ይሰብሮ ኣሎ፣እወ፡ የሆዋ ንቄድሮሳት ሊባኖስ ይሰባብሮ።+ 6 ንሊባኖስ* ከም ምራኽ፡ንሲርዮን+ ከኣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የሰራስሮም። 7 ድምጺ የሆዋ ብሃልሃልታ ሓዊ ይወቅዕ።+ 8 ድምጺ የሆዋ ንበረኻ የንቀጥቅጦ፣+የሆዋ ንበረኻ ቃዴስ+ የንቀጥቅጦ። 9 ድምጺ የሆዋ ንእራብ የንቀጥቅጣን የውልዳን፣ንዱር ከኣ ቃልዕ ይገብሮ።+ ኣብ መቕደሱ ዘሎ ዅሉ እውን፡ “ክብሪ!” ይብል። 10 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዜዕለቕልቕ ማያት* ኣብ ዝፋን ይቕመጥ፣+የሆዋ ንዘለኣለም ነጊሱ ኣብ ዝፋን ይቕመጥ።+ 11 የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐ ኺህቦ እዩ።+ የሆዋ ንህዝቡ ብሰላም ኪባርኾ እዩ።+ 28 ኦ የሆዋ ኸውሐይ፡ ናባኻ እጽውዕ ኣለኹ፣+ጸማም ኣይትዅነኒ። ስቕ እንተ ኢልካኒ፡ከምቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ክኸውን እየ።+ 2 ኣእዳወይ ናብ ውሽጣዊት ክፍሊ መቕደስካ ኣልዒለኸእዊ ኸለኹ፡ ልማኖይ ስማዕ።+ 3 ምስ እኩያት፡ ምስቶም ጕድኣት ዚገብሩ፡+ምስቶም ኣብ ልቦም እከይ ከሎስ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ኣይትለክመኒ።+ 4 ከም ግብሮምንከምቲ ኽፉእ ስራሖምን ሃቦም።+ ከምቲ ተግባር ኣእዳዎምንከምቲ ዝገበርዎን ፍደዮም።+ 5 ንሳቶምሲ ንተግባራት የሆዋ ዀነ፡ወይ ንግብሪ ኣእዳዉ ኣየቕልብሉን እዮም።+ ንሱ ድማ ኬፍርሶም እምበር፡ ኣይኪሃንጾምን እዩ። 6 ልማኖይ ሰሚዑ እዩ እሞ፡የሆዋ ይወደስ። 7 የሆዋ ብርታዐይን+ ዋልታይን+ እዩ፣ልበይ ብእኡ ይእመን* እዩ።+ ረድኤቱ ተቐቢለ እየ፡ ልበይ እውን ተሓጒሱ እዩ፣ስለዚ፡ ብመዝሙር ክውድሶ እየ። 8 የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐ እዩ፣ንቕቡኡ ድማ ዓብዪ ድሕነት ዜምጽኣሉ ዕርዲ እዩ።+ 9 ንህዝብኻ ኣድሕኖ፡ ንርስትኻ ኸኣ ባርኮ።+ ጓስዮም፡ ንዘለኣለም ድማ ኣብ ቀላጽምካ ጹሮም።+ 71 ኦ የሆዋ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ። ከቶ ኣይተሕፍረኒ።+ 2 ብጽድቅኻ ኣድሕነንን ኣናግፈንን። እዝንኻ ናባይ ኣድንን* እሞ ኣድሕነኒ።+ 3 ወትሩ ኽኣትዎ ዝኽእልዕርዲ ኸውሒ ኹነኒ። ከውሐይን ዕርደይንሲ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ንምድሓነይ ኣዝዝ።+ 4 ኦ ኣምላኽ፡ ካብ ኢድ እኩይ፡ካብ ቍጽጽር ዓማጽን ጨቋንን ኣናግፈኒ።+ 5 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ተስፋይሲ ንስኻ ኢኻ፣ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ብኣኻ እእመን* እየ።*+ 6 ካብ ከርሲ ኣትሒዘ ኣባኻ እምርኰስ እየ፣ካብ ማሕጸን ኣደይ ዝፈለኻኒ ንስኻ ኢኻ።+ ወትሩ እውድሰካ እየ። 7 ንብዙሓት ከም ተኣምር ኰይነዮም፣ንስኻ ግና ጽኑዕ መዕቈብየይ ኢኻ። 8 ኣፈይ ብውዳሰኻ መሊኡ ኣሎ፣+ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ግርማኻ እነግር እየ። 9 ብግዜ እርጋነይ ኣይትደርብየኒ፣+ሓይለይ ምስ ጠለመኒ ኸኣ ኣይትሕደገኒ።+ 10 ጸላእተይ ኣንጻረይ ይዛረቡ፣እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ* ድማ ተንኰል ይፍሕሱ።+ 11 “ኣምላኽ ሓዲግዎ። ዜድሕኖ ኸኣ የብሉን እሞ፡ ጐይኹም ሓዝዎ” ይብሉ።+ 12 ኦ ኣምላኽ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ። ኦ ኣምላኸይ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+ 13 እቶም ዚጻረሩኒ*ይሕፈሩን ይጥፍኡን።+ እቶም መዓተይ ዚደልዩብነውርን ብውርደትን ይጐልበቡ።+ 14 ኣነ ግና፡ ወትሩ ኽጽበ እየ፣ንውዳሰኻ እውን ክውስኸሉ እየ። 15 ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኽርድኦ* ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ፡+ኣፈይ ጽድቅኻ፡ምሉእ መዓልቲ ድማ ግብርታት ድሕነትካ ኺነግር እዩ።+ 16 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡መጺአ ብዛዕባ ግብርታት ሓይልኻ ኽነግር፡ብዛዕባ ጽድቅኻ፡ ብዛዕባ ናትካ ጥራይ ክጠቅስ እየ። 17 ኦ ኣምላኽ፡ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዝካ ምሂርካኒ፣+ክሳዕ ሕጂ እውን ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታትካ እነግር ኣለኹ።+ 18 ኦ ኣምላኽ፡ ምስ ኣረግኩን ምስ ሸየብኩን እውን ኣይትሕደገኒ።+ ብዛዕባ ስልጣንካ* ንዚቕጽል ወለዶ፡ብዛዕባ ሓይልኻ ንዅሎም እቶም ዚመጹ ኽነግሮም እየ።+ 19 ኦ ኣምላኽ፡ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣+ዓበይቲ ነገራት ጌርካ ኢኻ፣ኦ ኣምላኽ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+ 20 ብዙሕ ጭንቅን መዓትን እኳ እንተ ኣርአኻኒ፡+መሊስካ ኣሐድሰኒ፣ካብ መዓሙቝ* ምድሪ ኣውጽኣኒ።+ 21 ንዕቤተይ ወስኸሉ፣ክበበንን ኣጸናንዓንን። 22 ሽዑ፡ ኦ ኣምላኸይ፡ ስለቲ ተኣማንነትካ፡+ብበገና ኽውድሰካ እየ። ኦ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ብመሰንቆ* ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ። 23 ንህይወተይ ኣድሒንካያ* ኢኻ እሞ፡+ውዳሰ ኽዝምረልካ ኸለኹ፡ ከናፍረይ እልል ኪብላ እየን።+ 24 እቶም ጥፍኣተይ ዚደልዩ ኺሓፍሩን ኪንውሩን እዮም እሞ፡+ልሳነይ ብዛዕባ ጽድቅኻ ምሉእ መዓልቲ ኽትዛረብ* እያ።+ 38 ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ኣይትግንሓኒ፣ብነድርኻ ኣይትኣርመኒ።+ 2 ፍላጻታትካስ ወጊኤናኒ ኣለዋ፣ኢድካ ኸኣ ትጸቕጠኒ ኣላ።+ 3 ብቝጥዓኻ ብዘሎ ሰብነተይ ሓሚሙ።* ብሰንኪ ሓጢኣተይ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዕጽምተይ ሰላም የልቦን።+ 4 ስሕተተይሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ኣንጸላልዩ ኣሎ፣+ከም ከቢድ ጾር፡ ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ። 5 ብሰንኪ ዕሽነተይ፡ቍስለይ ይብድብድን ይመጕልን ኣሎ። 6 ተጨኒቐን እምብዛ ሓዚነን ኣለኹ፣ምሉእ መዓልቲ ጕህየ እመላለስ ኣለኹ። 7 ውሽጠይ ይነድድ ኣሎ፣*ብዘሎ ሰብነተይ ሓሚሙ ኣሎ።+ 8 ደንዚዘ፡ እምብዛ ኸኣ ተሓምሺሸ ኣለኹ፣ካብ ጓሂ ልበይ እተላዕለ ዓው ኢለ እግዕር ኣለኹ። 9 ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ትምኒተይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣እህህታይ ከኣ ካባኻ ኣይተሓብአን። 10 ልበይ ኣበርቲዓ ትወቅዕ ኣላ፣ ሓይለይ ድማ ጠሊሙኒ ኣሎ፣ብርሃን ኣዒንተይ እውን ጠፊኡኒ ኣሎ።+ 11 ፈተውተይን ብጾተይን ብሰንኪ መዓተይ ይርሕቁኒ፡ብቐረባ ዚፈልጡኒ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ይዀኑ ኣለዉ። 12 እቶም ንህይወተይ* ዚደልይዋ መጻወድያ የጻውዱለይ፡እቶም ኪጐድኡኒ ዚጽዕሩ ብዛዕባ ጥፍኣት ይዛረቡ፡+ምሉእ መዓልቲ ዜታልል ነገር የዕዘምዝሙ ኣለዉ። 13 ኣነ ግና ከም ጸማም ኣይሰምዕን፡+ከም ዓባስ ድማ ኣፈይ ኣይከፍትን እየ።+ 14 ከም ዘይሰምዕ፡ኣፉ ንመጐተ ሓንቲ ኸም ዘይብል ሰብ ኰይነ ኣለኹ። 15 ኦ የሆዋ፡ ንዓኻ ተጸብየ እየ፣+ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንስኻ እውን መሊስካለይ ኢኻ።+ 16 “ብኣይ ኣይተሓጐሱ፣እግረይ እንተ ኣንደልሂጹ ኸኣ፡ ኣይተዓበዩለይ” ኢለስ ነይረ። 17 ኣነስ ክወድቕ ኢለ ነይረ፣ስቓየይ ድማ ወትሩ ምሳይ ነይሩ።+ 18 ስሕተተይ ተናዚዘ፣+ብሓጢኣተይ ከኣ ተረቢሸ ነይረ።+ 19 ጸላእተይ ግና ብርቱዓትን* ሓያላትን እዮም፣*እቶም ብኸምኡ ዚጸልኡኒ ድማ በዚሖም። 20 ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ፈድዮምኒ፣ንሰናይ ብምስዓበይ፡ ተጻሪሮምኒ። 21 ኦ የሆዋ፡ ኣይትሕደገኒ። ኦ ኣምላኽ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+ 22 ኦ የሆዋ፡ ድሕነተይ፡+ንምርዳአይ ቀልጥፍ። 86 ኦ የሆዋ፡ ውጹዕን ድኻን እየ እሞ፡እዝንኻ ኣድንን፡* መልሰለይ እውን።+ 2 እሙን እየ እሞ፡ ንህይወተይ* ሓልዋ።+ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ነቲ ብኣኻ ዚእመን* ጊልያኻ ኣድሕኖ።+ 3 ምሉእ መዓልቲ እጽውዓካ እየ እሞ፡+ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ።+ 4 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እየ ዘብል* እሞ፡ንጊልያኻ ኣሐጕሶ።* 5 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን*+ ንይቕረታ ድልውን ኢኻ፣+ንዅሎም እቶም ዚጽውዑኻ፡ ኣብዚሕካ ብተኣማንነት ተፍቅሮም ኢኻ።+ 6 ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ናብ ልማኖይ ኣቕልብ።+ 7 ንስኻ ኽትምልሰለይ ኢኻ እሞ፡+ብመዓልቲ ጭንቀይ ክጽውዓካ እየ።+ 8 ኦ የሆዋ፡ ካብ ኣማልኽቲ ኸማኻ ዝበለ የልቦን፣+ከም ግብርታትካ ዝበለ እውን የልቦን።+ 9 ኦ የሆዋ፡ ኵሎም እቶም ዝገበርካዮም ኣህዛብ ኪመጹ፡ኣብ ቅድሜኻ ድማ ኪሰግዱ፡+ንስምካ እውን ኬኽብርዎ እዮም።+ 10 ንስኻስ ዓብይን ዜደንቕ ነገራት እትገብርን ኢኻ፣+ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ኢኻ።+ 11 ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባ መገድኻ ምሃረኒ።+ ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ።+ ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ።*+ 12 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ብዅሉ ልበይ እውድሰካ ኣለኹ፣+ንዘለኣለም ከኣ ንስምካ ከኽብሮ እየ። 13 እቲ ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕርኻስ ዓብዪ እዩ፣ንህይወተይ* ድማ ካብ መዓሙቝ መቓብር* ኣድሒንካያ ኢኻ።+ 14 ኦ ኣምላኽ፡ ተዳፈርቲ ተንሲኦምኒ፣+ጭፍራ ጨካናት ድማ ንህይወተይ* ይደልይዋ ኣለዉ፣ግድኻ እውን የብሎምን።*+ 15 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና መሓርን ርሕሩሕን* ኣምላኽ፡ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን* ኢኻ።+ 16 ናባይ ኣብል እሞ ሞገስካ ኣርእየኒ።+ ንጊልያኻ ብርታዐኻ ሃቦ፣+ንወዲ ግዝእትኻ ድማ ኣድሕኖ። 17 ኦ የሆዋ፡ ረዳእየይን መጸናንዕየይን ኢኻ እሞ፡እቶም ዚጸልኡኒ ርእዮም ኪሓፍሩስ፡ምልክት* ሕያውነትካ* ኣርእየኒ። 8 ኦ የሆዋ ጐይታና፡ ስምካስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ፣ክብርኻ ኻብ ሰማያት ዚልዕል ጌርካዮ!*+ 2 ስለ ተጻረርትኻ፡ንጸላእን ንፈዳይ ሕነን ስቕ ንምባል፡ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን+ ብርታዐ ሰሪትካ። 3 ሰማያትካ፡ እቲ ግብሪ ኣጻብዕካ፡እቲ ዘዳሎኻዮ ወርሕን ከዋኽብትን ክርኢ ኸለኹ፡+ 4 ንስኻ እትዝክሮስ፡ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧ ወይስ እትሓልየሉ፡ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ፧+ 5 ከም ኣምላኽ ካብ ዝበሉ* ቝሩብ ኣንኢስካዮ፣ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊእካሉ። 6 ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኣግዚእካዮ፣+ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፦ 7 ንዅለን መጓሰን ከብትን፡ከምኡ ድማ ንእንስሳታት ዘገዳም፡+ 8 ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንዓሳ ባሕርን፡ብመገድታት ባሕርታት ንዚሓልፍ ዘበለ። 9 ኦ የሆዋ ጐይታና፡ ስምካስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም ኰን እዩ! 11 ኣብ የሆዋ ተማዕቊበ ኣለኹ።+ ከመይ ጌርኩም ደኣ ኸምዚ እትብሉኒ፦* “ከም ዑፍ ናብ ከረን ህደም! 2 እኩያት ከመይ ገይሮም ቀስቶም ከም ዚግትሩ ርአ፣ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ካብ ጸልማት ኪውርውሩሎምሲ፡ንፍላጻኦም ኣብ ኣውታር ቀስቶም ይገብርዎ። 3 መሰረታት* ምስ ፈረሰ፡ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧” 4 የሆዋ ኣብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ እዩ።+ ዝፋን የሆዋ ኣብ ሰማያት እዩ።+ ኣዒንቱ ይጥምታ፡ ትኵራት* ኣዒንቱ ንደቂ ሰብ ይምርምራኦም።+ 5 የሆዋ ንጻድቕ ኰነ ንእኩይ ይምርምሮ፣+ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ኸኣ ይጸልኦ።*+ 6 ኣብ ልዕሊ እኩይ፡ መጻወድያታት* የዝንም፣ግደ ጽዋኦም ሓውን ዲንን+ ዚምሽሉቝ ንፋስን ኪኸውን እዩ። 7 ከመይሲ፡ የሆዋ ጻድቕ እዩ፣+ ጽድቂ ድማ ይፈቱ እዩ።+ ቅኑዕ ከኣ ገጹ ኺርኢ* እዩ።+ 2 ስለምንታይ ኣህዛብ ተናዊጾም፡ህዝብታትሲ ኸንቱ ኣዕዘምዚሞም፧*+ 2 ንየሆዋን ንቕቡኡን* ኪጻረሩስ፡+ነገስታት ምድሪ ቘይሞም፡ሰበ ስልጣን ከኣ ብሓደ ተኣኪቦም።*+ 3 “መቓውሖም ንበጥስ፡ኣግማዶም ድማ ንደርብዮ” ይብሉ። 4 እቲ ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ይስሕቕ፣የሆዋ የላግጸሎም። 5 ሽዑ፡ ብቝጥዓኡ ይዛረቦም፣ብዚነድድ ቍጥዓኡ ድማ የሸብሮም፣ 6 “ኣነ ኣብ ጽዮን፡+ ኣብ ቅዱስ ከረነይ፡ንጉሰይ ሸይመ ኣለኹ” ይብል።+ 7 ትእዛዝ የሆዋ እስከ ኽነግር፣ንሱ ኸምዚ ኢሉኒ፦ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣+ኣነ ሎሚ ወሊደካ።+ 8 ሕተተኒ እሞ፡ ኣህዛብ ውርስኻ ገይረ፡ወሰናት ምድሪ ኸኣ ርስትኻ ገይረ ኽህበካ እየ።+ 9 ብዘንጊ ሓጺን ክትሰብሮም፡+ከም ስርሓት ካይላ ድማ ክትሕምሽሾም ኢኻ።”+ 10 እምበኣርሲ፡ ኣቱም ነገስታት ልቦና ግበሩ፣ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን፡ ተኣረሙ።* 11 ንየሆዋ ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ብራዕዲ ኸኣ ተሓጐሱ። 12 ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፡ኣምላኽ* ከይቍጣዕ፡ ካብ መገዲ ድማ ከይትጠፍኡስ፡+ንወዲ ኣኽብርዎ።*+ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ሕጉሳት እዮም። 147 ንያህ ወድስዎ!* ንኣምላኽ ውዳሰ ምዝማር* ጽቡቕ እዩ፣ምውዳሱስ ክንደይ ባህ ዜብልን ግቡእን ኰን እዩ!+ 2 የሆዋ ንየሩሳሌም ይሃንጻ፣+ንእተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ይእክቦም።+ 3 ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም፣ንኣቝሳሎም ከኣ ይዝንን። 4 ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር፣ንዅላቶም በብስሞም ይጽውዖም።+ 5 ጐይታና ዓብይን ብርቱዕ ዝሓይሉን እዩ፣+ኣእምሮኡ ኺልካዕ ዚከኣል ኣይኰነን።+ 6 የሆዋ ንዓቃላት* የተንስኦም፣+ንእኩያት ግና ናብ ምድሪ ይድርብዮም። 7 ንየሆዋ ብምስጋና ዘምሩሉ፣ንኣምላኽና ብመሰንቆ* ውዳሰ ዘምሩሉ፣ 8 ንሱስ ንሰማያት ብደበናታት ዚሽፍኖ፡ንምድሪ ዝናም ዚህባ፡+ኣብ ኣኽራን ድማ ሳዕሪ ዜብቍል እዩ።+ 9 ንእንስሳታት ምግቢ ይህቦም፡+ንጨቓዊት ኳዃት ከኣ ይጽውዖም።+ 10 ብሓይሊ ፈረስ ደስ ኣይብሎን፡+ብብርቱዕ ኣእጋር ሰብ እውን ኣይግረምን እዩ።+ 11 የሆዋ በቶም ዚፈርህዎ፡+በቶም ነቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ዚጽበዩ ባህ ይብሎ እዩ።+ 12 ኦ የሩሳሌም፡ ንየሆዋ ኣሞግስዮ። ኦ ጽዮን፡ ንኣምላኽ ወድስዮ። 13 ንሱስ ተገዳማት ኣፍ ደገኺ የጽንዕ፣ኣብ ውሽጥኺ ንዘለዉ ደቅኺ ይባርኾም። 14 ኣብ ዓድኺ ሰላም የምጽእ፣+ብብሉጽ* ስርናይ የጽግበኪ።+ 15 ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፣ቃሉ ብፍጥነት ይጐዪ። 16 ንውርጪ ኸም ጸምሪ ይሰድዶ፣+ንኣስሓይታ ኸም ሓምዅሽቲ ፋሕ የብሎ።+ 17 ንበረዱ ኸም ቍርስራስ እንጌራ ይድርብዮ።+ ንቝሩኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+ 18 ቃሉ ይሰድድ እሞ የምክኾ። ንፋሱ የንፍስ+ እሞ ማያት ይውሕዙ። 19 ቃሉ ንያእቆብ፡ስርዓታቱን ፍርድታቱን ከኣ ንእስራኤል ይነግሮ።+ 20 ንኻልኦት ህዝቢ ኸምኡ ኣይገበረሎምን፣+ብዛዕባ ፍርድታቱ ኣይፈልጡን እዮም። ንያህ ወድስዎ!*+ 26 ኦ የሆዋ፡ ብንጽህና ተመላሊሰ እየ እሞ፡ ፍረደለይ፣+ከይተወላወልኩ ብየሆዋ ተኣሚነ* እየ።+ 2 ኦ የሆዋ፡ መርምረንን ፈትነንን፣ንውሽጣዊ ሓሳባተይን* ንልበይን ኣጽርዮ።+ 3 ብተኣማንነት እተርእያ ፍቕርኻስ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እያ፣ብሓቅኻ እውን እመላለስ እየ።+ 4 ምስ መታለልቲ ሰባት ኣይሓብርን፡*+ካብ ኣምሰሉታት እውን እርሕቕ እየ።* 5 ምሕዝነት እኩያት እጸልእ፡+ምስ ክፉኣት ከኣ ኣይሓብርን* እየ።+ 6 ኦ የሆዋ፡ ንኣእዳወይ ብንጽህና ኽሓጽበን፡ንመሰውኢኻ ድማ ክዞሮ እየ፣ 7 በዚ ኸምዚ፡ ድምጺ ምስጋናኻ ኸስምዕ፡+ኵሉ ዜደንቕ ግብርታትካ ኸኣ ክነግር እየ። 8 ኦ የሆዋ፡ ንቤት ማሕደርካ፡+ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ እፈትዎ እየ።+ 9 ምስ ሓጥኣን ኣይትዀስትረኒ፣*+ንህይወተይ ድማ ምስ ዓመጽቲ* ሰባት ኣይትመንጥላ፣ 10 ምስቶም ብኣእዳዎም ዜሕፍር ተግባር ዚገብሩንየማነይቶም ብጉቦ ዝመልአትን እውን ኣይትመንጥላ። 11 ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ። ኣናግፈኒ፡* ሞገስካ እውን ኣርእየኒ። 12 እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ ኣላ፣+ኣብ ዓብዪ ጉባኤ* ንየሆዋ ኽውድሶ እየ።+ 44 ኦ ኣምላኽ፡ እቲ ቐደምብዘመኖም ዝገበርካዮ ግብሪ፡ኣቦታትና ኣዘንትዮምልና፡+አብኣእዛንና እውን ሰሚዕናዮ። 2 ብኣእዳውካ ንኣህዛብ ሰጒጕካስ+ንኣቦታትና ኣብኡ ኣስፊርካዮም።+ ንኣህዛብ ሓምሺሽካዮምን ሰጒጕካዮምን።+ 3 ብኣታቶም ባህ ስለ ዝበለካ፡+ብየማነይቲ ኢድካን ብቕልጽምካን+ ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፡ብሰይፎም ኣይኰኑን ነታ ምድሪ ተረስትዮምዋ፣+ቅልጽሞም እውን ኣይኰነን ዓወት ዘምጽኣሎም።+ 4 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ንጉሰይ ኢኻ፣+ንያእቆብ ምሉእ ዓወት* ኣዝዝ።* 5 ብሓይልኻ ንተጻረርትና ኽንሰጕጎም ኢና፣+ብስምካ ነቶም ዚለዓሉና ኽንረግጾም ኢና።+ 6 ብቐስተይሲ ኣይእመንን እየ፣ሰይፈይ እውን ከተድሕነኒ ኣይትኽእልን እያ።+ 7 ካብ ተጻረርትና ዘድሓንካና፡+ነቶም ዚጸልኡና እውን ዘዋረድካዮም ንስኻ ኢኻ። 8 ምሉእ መዓልቲ ንኣምላኽ ክንውድስ ኢና፣ንስምካ ድማ ንዘለኣለም ከነመስግን ኢና። (ሴላ) 9 ሕጂ ግና ደርቢኻና፡ ኣዋሪድካና፡ምስ ሰራዊትና ኸኣ ኣይትወጽእን ኣለኻ። 10 ካብ ተጻራሪና ኸም እነንሳሕብ ትገብረና ኣለኻ፣+እቶም ዚጸልኡና ድማ ዝደለይዎ ይወስዱ ኣለዉ። 11 ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሂብካና፣ኣብ መንጎ ኣህዛብ እውን ፋሕ ኣቢልካና።+ 12 ንህዝብኻ ዳርጋ ብጥራዩ ሼጥካዮ፣+ካብቲ መሸጣ* ኸኣ ሓንቲ እኳ ኣይከሰብካን። 13 ንጐረባብትና መጻረፊ፡ኣብ ዙርያና ንዘለዉ ድማ መላገጽን መባጨውን ጌርካና። 14 ኣብ መንጎ ኣህዛብ መመሰሊ፡+ኣብ መንጎ ህዝብታት ከኣ ርእሶም መነቕነቒ ጌርካና። 15 ምሉእ መዓልቲ ውርደት ይስምዓኒ ኣሎ፣ብሕፍረት እውን ተዋሒጠ ኣለኹ። 16 እዚ ድማ ብሰሪ ድምጺ ባጫኦምን ጸርፎምን፡ብሰሪ እቲ ሕነ ዚፈዲ ዘሎ ጸላኢና እዩ። 17 እዚ ዅሉ ወሪዱናስ፡ ኣይረሳዕናካን፡ኪዳንካ እውን ኣይጠሓስናን።+ 18 ልብና ኣይዘምበለን፣ኣሰርና ኸኣ ካብ መገድኻ ኣየላገሰን። 19 ግናኸ፡ ኣብ ሰፈር ወኻሩ* ሓምሺሽካና፣ብብርቱዕ ጽላሎት ኣጐልቢብካና። 20 ስም ኣምላኽና እንተ ረሲዕና፡ወይ ኢድና ብጸሎት ናብ ጓና ኣምላኽ እንተ ዘርጊሕና፡ 21 ነዝስ ኣምላኽዶ ኣይፈልጦን እዩ፧ ንሱስ ምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ።+ 22 ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፣ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ እውን ንቝጸር ኣለና።+ 23 ኦ የሆዋ፡ ተንስእ። ስለምንታይ ትድቅስ፧+ ንቓሕ! ንዘለኣለም ኣይትደርብየና።+ 24 ስለምንታይ ገጽካ ትሓብእ፧ ስለምንታይከ ጸበባናን ጭቈናናን ትርስዕ፧ 25 ናብ ሓመድ ወሪድና፣*ሰብነትና ኣብ ምድሪ ተረጊጹ።+ 26 ረዳኢና ዄንካ ተንስእ!+ ስለቲ ብተኣማንነት እትርእዮ ፍቕርኻ ኣናግፈና።*+ 80 ኦ ጓሳ እስራኤል፡ኣታ ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ጽን በል።+ ኣታ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ፡+ብራህ።* 2 ኣብ ቅድሚ ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴንሓይልኻ ኣለዓዕል፣+ንዓ እሞ ኣድሕነና።+ 3 ኦ ኣምላኽ፡ ምለሰና፣+ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ገጽካ ኣብርሃልና።+ 4 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ንጸሎት ህዝብኻ እትጻረሮ፧*+ 5 ንብዓት ከም እንጌራ ተብልዖም፡መስፈር ዘይብሉ ንብዓት ድማ ተስትዮም ኣለኻ። 6 ጐረባብትና ብኣና ኸም ዚብኣሱ ጌርካዮም፣ጸላእትና ኸኣ ከም ቃሕ ዝበሎም የላግጹልና ኣለዉ።+ 7 ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፣ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ገጽካ ኣብርሃልና።+ 8 ተኽሊ ወይኒ+ ኻብ ግብጺ ኣውጺእካ። ንኣህዛብ ሰጒጕካ ድማ ተኺልካያ።+ 9 ቦታ ጸሪግካላ፣ንሳ ኸኣ ሱር ሰዲዳ ነታ ምድሪ መሊኣታ።+ 10 ኣኽራን ብጽላላ፡ቄድሮሳት ኣምላኽ እውን ብጨናፍራ ተኸዲኖም። 11 ጨናፍራ ኽሳብ ባሕሪ፡ውልዶታታ ድማ ክሳብ እቲ ፈለግ*+ በጺሑ። 12 ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ፍሪኣ ኪቕንጥቡስ፡+ስለምንታይ መንደቕ እታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣፍሪስካ፧+ 13 ናይ ዱር መፋልስ የብርስዋ፡እንስሳታት መሮር እውን ይበልዕዋ ኣለዉ።+ 14 ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፡ በጃኻ ተመለስ። ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ጠምት እሞ ርአ! ነዛ ተኽሊ ወይኒ እዚኣ ተኸናኸና፣+ 15 ነታ የማነይቲ ኢድካ ዝተኸለታ ጕንዲ* ተኸናኸና፣+ነቲ ንዓኻ ኢልካ ዘበርታዕካዮ ወዲ ርኣዮ።*+ 16 ብሓዊ ነዲዳ፡ ተቖሪጻ።+ ብመግናሕትኻ* ይጠፍኡ። 17 ኢድካ ነቲ ኣብ የማንካ ዘሎ ሰብኣይ፡ነቲ ንዓኻ ኢልካ ዘበርታዕካዮ ወዲ ሰብ ትደግፎ።+ 18 ሽዑ፡ ካባኻ ኣይክንርሕቕን ኢና። ስምካ ምእንቲ ኽንጽውዕሲ፡ ብህይወት ኣንብረና። 19 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ምለሰና፣ምእንቲ ኽንድሕንሲ፡ ገጽካ ኣብርሃልና።+ 137 ኣብ ጥቓ ኣፍላግ ባቢሎን+ ተቐመጥና። ንጽዮን ምስ ዘከርና በኸና።+ 2 ኣብ ማእከላ* ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ዓራባ፡መሰንቆታትና* ሰቐልና።+ 3 ኣብኡስ ማረኽትና ኽንዝምረሎም ሓተቱና፣+እቶም ዜላግጹልና ኸኣ መዘናግዒ ደልዮም፡“ሓደ ኻብ መዝሙራት ጽዮን ዘምሩልና” በሉና። 4 ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር የሆዋኣብ ምድሪ ጓና ኽንዝምር፧ 5 ኦ የሩሳሌም፡ እንተ ረሲዐክስ፡የማነይቲ ኢደይ ትረስዕ።*+ 6 እንተ ዘይዘኪረኪ፡ንየሩሳሌም ድማ ልዕሊ ዅሉቐንዲ ምኽንያት ሓጐሰይ እንተ ዘይገይረያ፡+ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ። 7 ኦ የሆዋ፡ በታ የሩሳሌም ዝወደቐትላ መዓልቲ፡ደቂ ኤዶም፡ “ኣፍርስዋ! ክሳብ መሰረታታ ኣፍርስዋ!” ኸም ዝበሉ ዘክር።+ 8 ኣቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እትዓንዊ ጓል ባቢሎን፡+ከምቲ ዝገበርክና ግብሪ ዚፈድየክስ፡+ሕጉስ ኪኸውን እዩ። 9 ንደቅኺ ሒዙ ኣብ ኣኻውሕ ዚሕምሽሾምሲ፡+ሕጉስ ኪኸውን እዩ። 139 ኦ የሆዋ፡ ውሽጠይ ፈቲሽካንን ፈሊጥካንን።+ 2 ንምቕማጠይን ንምትንሳአይን ትፈልጦ።+ ንሓሳባተይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።+ 3 ንጕዕዞይን ንበጥ ምባለይን ትዕዘቦ፣*ንዅሉ መገድታተይ ድማ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ።+ 4 ኦ የሆዋ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ ልሳነይ ከየላስ፡እንሆ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጣ ኢኻ።+ 5 ብድሕረይን ብቕድመይን ከቢብካኒ፣ኢድካ እውን ኣብ ልዕለይ ኣንቢርካ። 6 እዚ ፍልጠት እዚ ንምርዳኡ ልዕሊ ዓቕመይ* እዩ። ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ እውን ክበጽሖ ኣይክእልን እየ።*+ 7 ካብ መንፈስካ ናበይ ከምልጥ እኽእል፧ ካብ ገጽካኸ ናበይ ክሃድም እኽእል፧+ 8 ናብ ሰማይ እንተ ዝድይብ፡ ንስኻ ኣብኡ ምሃለኻ፣ኣብ መቓብር* ዓራተይ እንተ ዘንጽፍ እውን፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ምሃለኻ።+ 9 ኣብ ወሰን ባሕሪ ኽነብር ኢለ፡ብኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ዝነፍር፡ 10 ኣብኡ እኳ ኢድካ ምመርሓትኒ፡የማነይቲ ኢድካ እውን ምሓዘትኒ።+ 11 “ብርግጽ ጸልማት ኪኽውለኒ እዩ!” እንተ ዝብል፡እቲ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ለይቲ፡ ብርሃን ምዀነ። 12 ንዓኻስ ጸልማት እኳ ኣይምጸልመተካን፣የግዳስ፡ ለይቲ ኸም መዓልቲ ምበርሃልካ፣+ንዓኻስ ጸልማት ከም ብርሃን እዩ።+ 13 ንስኻስ ንዀላሊተይ ጌርካየን፡ኣብ ማሕጸን ኣደይ ድማ ጋሪድካኒ።*+ 14 መስተንክርን ድንቅን ኰይነ ተፈጢረ እየ እሞ ኽውድሰካ እየ።+ ግብርታትካ ድንቂ እዩ፣+ነዚ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ።* 15 ብምስጢር ምስ ተገበርኩ፡ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፡ኣዕጽምተይ ካባኻ ኣይተሓብኣን።+ 16 ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ፣ሓዲኡ እኳ ኸይሃለወ፡ኵሉ እቲ ኣካላት ብዛዕባ እተሰርሓሉ መዓልትታትኣብ መጽሓፍካ ተጻሒፉ ነይሩ፣ 17 ሓሳባትካ ንዓይ ክንደይ ኰን ክቡር እዩ!+ ኦ ኣምላኽ፡ ድምሩስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+ 18 ክቘጽሮ እንተ ፈቲነ፡ ካብ ሑጻ ይበዝሕ።+ ምስ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ እየ።*+ 19 ኦ ኣምላኽ፡ ንእኩይ እባ እንተ ትቐትሎ!+ ሽዑ፡ ዓመጽቲ* ሰባት ካባይ ምረሓቑ፣ 20 ንሳቶም ብኽፉእ ሓሳብ* ኣንጻርካ ይዛረቡ፣ንሳቶም ስምካ ብኸንቱ ዜልዕሉ ተጻረርትኻ እዮም።+ 21 ኦ የሆዋ፡ ነቶም ዚጸልኡኻስ ኣይጸልኦምንዶ፧+ ነቶም ካባኻ ዚዓልዉኸ ኣይፍንፍኖምንዶ፧+ 22 ፈጺመ እጸልኦም እየ፣+ናይ ሓቂ ጸላእቲ ዀይኖምኒ ኣለዉ። 23 ኦ ኣምላኽ፡ ውሽጠይ ፈትሽ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ።+ መርምረኒ፡ ዜጨንቐኒ* ሓሳባተይ ድማ ፍለጥ።+ 24 ጐዳኢ መገዲ እንተ ኣልዩኒ ርአ፣+ብመገዲ ዘለኣለም ከኣ ምርሓኒ።+ 68 ኣምላኽ ይተንስእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣እቶም ዚጸልእዎ ድማ ካብ ቅድሚኡ ይህደሙ።+ 2 ትኪ ኸም ዚብተን፡ በትኖም፣ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፡ከምኡ እኩያት ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጥፍኡ።+ 3 ጻድቃን ግና ይተሓጐሱ፣+ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ባህ ይበሎም፣ብታሕጓስ ይፈስሁ። 4 ንኣምላኽ ዘምሩሉ፣ ንስሙ ውዳሰ ዘምሩሉ።*+ ነቲ ብጐላጕል ምድረ በዳ* ተወጢሑ ዚሓልፍ ዘምሩሉ። ስሙ ያህ* እዩ!+ ኣብ ቅድሚኡ ተሓጐሱ! 5 ኣምላኽ ኣብ ቅዱስ ማሕደሩ+ኣቦ ዘኽታማትን* መዕቈቢ* መበለታትን እዩ።+ 6 ኣምላኽ ነቶም በይኖም ዝዀኑ ዚቕመጡሉ ቤት ይህቦም፣+ንእሱራት ናብ ብልጽግና የውጽኦም።+ ነቓጻት* ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ።+ 7 ኦ ኣምላኽ፡ ንህዝብኻ ኽትመርሖ* ኸለኻ፡+ብምድረ በዳ ኽትሓልፍ ከለኻ፡ (ሴላ) 8 ምድሪ ኣንቀጥቂጣ፣+ሰማይ እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘኒሙ፣*እዚ ሲና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣንቀጥቂጡ።+ 9 ኦ ኣምላኽ፡ ብብዝሒ ኣዝኒምካ፣ንዝደኸመ ህዝብኻ* ኣበርቲዕካዮ። 10 ኣብ ድንኳናትካ ተቐሚጦም፣+ኦ ኣምላኽ፡ ብሕያውነትካ* ንድኻ ኣዳሊኻሉ። 11 የሆዋ ትእዛዝ ይህብ፣እተን ዜበስራ ኣንስቲ ዓብዪ ሰራዊት እየን።+ 12 ነገስታት ሰራዊት ይሃድሙ፡+ ይሃድሙ! እታ ኣብ ቤት ዝጸንሐት፡ ካብ ምርኮ ትማቐል።+ 13 ኣብ መንጎ መጋርያታት* እኳ በጥ ኢልኩም እንተ ነበርኩም፡ብብሩር እተለበጠ ኣኽናፍ ርግቢ፡ብጽሩይ* ወርቂ እውን እተለበጠ መንገብገብ ኪህሉ እዩ። 14 እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፡+ኣብ ጻልሞን ውርጪ ዘኒሙ።* 15 ከረን ባሳን+ ናይ ኣምላኽ ከረን* እዩ፣ከረን ባሳን ኣራእስ ዘለዎ ኸረን እዩ። 16 ኣቱም ኣራእስ ኣኽራን፡ ስለምንታይ ኢኹምነቲ ኣምላኽ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሓረዮ* ኸረን ቀኒእኩም እትጥምትዎ፧+ እወ፡ የሆዋ ኣብኡ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+ 17 ሰረገላታት ኣምላኽ ዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ።+ የሆዋ ኻብ ሲና ናብ መቕደስ መጺኡ።+ 18 ናብ ላዕሊ ደዪብካ፣+ምሩኻት ማሪኽካ፣ውህበት ጌርካ ሰባት ወሲድካ፣+እወ፡ ኦ ያህ ኣምላኽ፡ ኣብ መንጎኦም ክትነብርሲ ነቓጻት እኳ ወሲድካ።+ 19 እቲ መዓልቲ መዓልቲ ጾርና ዚጸውር የሆዋ፡እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድሕነትና ይወደስ።+ (ሴላ) 20 ንዓናስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ዜድሕን ኣምላኽ እዩ፣+የሆዋ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ድማ ካብ ሞት መዋጽኦ ዚገብር ኣምላኽ እዩ።+ 21 እወ፡ ኣምላኽ ንኣራእስ ጸላእቱ፡ነቲ ጸጓር መንበስበስታ እቲ ብበደሉ ዚመላለስ ዘበለ ኺጭፍልቖ እዩ።+ 22 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ፦ “ካብ ባሳን ክመልሶም፡+ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኸኣ ክመልሶም እየ፣ 23 በዚ ኸምዚ፡ እግርኻ ብደም ክትሕጸብ እያ፣+ልሳን ኣኽላባትካ ኸኣ ግዲኡ ኻብ ጸላእቲ ኺረክብ እዩ።” 24 ኦ ኣምላኽ፡ ዓጀባኻ፡እቲ ናብ መቕደስ ዚበጽሕ ዓጀባ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ይርእዩ።+ 25 እቶም ዘመርቲ ቐቅድሚት፡ ደድሕሪኦም ድማ በገና ዚወቕዑ ሙዚቀኛታት ይኸዱ፣+ኣብ መንጎ ኸኣ ከበሮ ዚወቕዓ ኣዋልድ ኣለዋ።+ 26 ኣብ ጉባኤ ህዝቢ፡* ንኣምላኽ ወድስዎ፣ኣቱም ካብ ምንጪ እስራኤል ዝዀንኩም፡ ንየሆዋ ወድስዎ።+ 27 ኣብኡ እቲ ዝነኣሰ ብንያም+ ይገዝኦም፣ከምኡ እውን መሳፍንቲ ይሁዳ ምስቶም ጫውጫው ዚብሉ ጭፍራኦም፡መሳፍንቲ ዛብሎን፡ መሳፍንቲ ንፍታሌም ይገዝእዎም። 28 ኣምላኽካ ሓያል ክትከውን ኣዚዙ። ኣታ ምእንታና ኢልካ ዝገበርካ ኣምላኽ፡ ብርታዐኻ ኣርኢ።+ 29 ስለታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስካ፡+ነገስታት ህያባት ኬምጽኡልካ እዮም።+ 30 ህዝብታት ብሩር ሒዞም መጺኦም ክሳዕ ዚሰግዱ፡*ኣብ ሻምብቆታት ንዘለዉ እንስሳ ዘገዳም፡ንኣኼባ ኣብዑርን+ ምራኹቶምን ግንሓዮም። ብውግእ ደስ ንዚብሎም ህዝብታት ግና ፋሕ የብሎም። 31 ኣቕሑ ብሮንዞ ኻብ ግብጺ ኺመጽእ እዩ፣*+ኩሽ ከኣ ቀልጢፋ ንኣምላኽ ህያባት ክትህብ እያ። 32 ኦ መንግስትታት ምድሪ፡ ንኣምላኽ ዘምራሉ፡+ንየሆዋ ውዳሰ ዘምራሉ፣* (ሴላ) 33 ነቲ ኣብ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ተወጢሑ ዚኸይድ ዘምሩሉ።+ እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የንጐድጕዶ። 34 ኣምላኽ ብርቱዕ ምዃኑ ተኣመኑ።+ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ብርታዐኡ ድማ ኣብ ሰማያት* እዩ። 35 ኣምላኽ ካብቲ ዓብዪ መቕደሱ* ዜፍርህ እዩ።+ ንሱ ንህዝቡ ብርታዐን ሓይልን ዚህብ+ኣምላኽ እስራኤል እዩ። ኣምላኽ ይወደስ። 4 ኦ ጻድቕ ኣምላኸይ፡ ክምህለል ከለኹ፡ መልሰለይ።+ ብግዜ ጭንቀይ መምለጢ ግበረለይ።* ሞገስ ኣርእየኒ፡ ጸሎተይ ከኣ ስማዕ። 2 ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ንኽብረይ ናብ ውርደት ክትቅይርዎ፧ ክሳዕ መዓስከ ኢኹም ከንቱነት ክትፈትዉን ሓሶት ክትደልዩን፧ (ሴላ) 3 የሆዋ ንእሙኑ ብፍሉይ መገዲ ኸም ዚሕዞ* ፍለጡ፣የሆዋ ናብኡ ምስ ተማህለልኩ፡ ኪሰምዓኒ እዩ። 4 ተናወጹ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ።+ ኣብ ዓራትኩም ብልብኹም ተዛረቡ፡ ስቕ ድማ በሉ። (ሴላ) 5 መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ብየሆዋ ኸኣ ተኣመኑ።*+ 6 “መን ጽቡቕ ኬርእየና እዩ፧” ዚብሉ ብዙሓት ኣለዉ። ኦ የሆዋ፡ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና።+ 7 ካብቲ እቶም ብዙሕ እቶት እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘለዎምኣብሊጽካ ንልበይ ብሓጐስ መሊእካዮ ኢኻ። 8 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ በይንኻ ብደሓን ተንብረኒ ኢኻ እሞ፡+ብሰላም በጥ ክብልን ክድቅስን እየ።+ 41 ንትሑት ዚሓልየሉ ሕጉስ እዩ፣+የሆዋ ብመዓልቲ መዓት ኬናግፎ እዩ። 2 የሆዋ ኺሕልዎን ብህይወት ኬንብሮን እዩ። ኣብ ምድሪ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።+ ናብ ፍቓድ* ጸላእቱ ኣይከተሕልፎን ኢኻ።+ 3 የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማሙ ኺድግፎ እዩ፣+ምስ ሓመመ፡ ንስኻ ንዓራቱ ምሉእ ብምሉእ ትልውጣ። 4 ኣነስ፡ “ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ።+ ኣብ ቅድሜኻ ሓጢአ እየ እሞ፡+ ኣሕውየኒ”* ኢለ እየ።+ 5 ጸላእተይ ግና ብዛዕባይ ክፉእ ይዛረቡ፣“መዓስ ኪመውት እዩ፧ መዓስከ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፧” ይብሉ። 6 ሓዲኦም ኪርእየኒ እንተ መጺኡ፡ ልቡ ሓሶት ይዛረብ። ዚብሎ ጐዳኢ ነገር ይእክብ፣ወጺኡ ኸኣ የውርዮ። 7 ኵሎም እቶም ዚጸልኡኒ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽኹ፡ክፉእ ነገር ይሓስቡለይ ኣለዉ፣ 8 “ሕማቕ ነገር ሒዝዎ ኣሎ፣ካብ ወደቐስ፡ መሊሱ ኣይኪትንስእን እዩ” ይብሉ ኣለዉ።+ 9 እቲ ምሳይ ሰላም ዘለዎ ኣነ ዝኣምኖ ሰብ፡+እቲ እንጌራይ ዚበልዕ ዝነበረ እኳ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዒሉ።*+ 10 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ክፈድዮምሲ፡ሞገስ ኣርእየንን ኣልዕለንን። 11 ጸላእየይ ብዓወት እንተ ዘይጨዲሩለይ፡በዚ ንስኻ ብኣይ ባህ ከም ዝበለካ ኽፈልጥ እየ።+ 12 ንዓይሲ ስለ ንጽህናይ ትድግፈኒ ኢኻ፣+ኣብ ቅድሜኻ ድማ ንዘለኣለም ከተንብረኒ ኢኻ።+ 13 የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይወደስ።+ ኣሜን፡ ኣሜን። 63 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ እደልየካ ኣለኹ።+ ንዓኻ ኽረክብ ሃረር እብል ኣለኹ።*+ ማይ ኣብ ዘይብሉ ደረቕን ምድሪ ኣጻምእንብናፍቖትካ ደኺመ ኣለኹ።*+ 2 ስለዚ፡ ኣብ መቕደስ ጠሚተካ፡ብርታዐኻን ክብርኻን ድማ ርእየ።+ 3 ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኻብ ህይወት ስለ ዚበልጽ፡+ከናፍረይ ኬሞግሳኻ እየን።+ 4 ስለዚ፡ ምሉእ ህይወተይ ክውድሰካ እየ፣ብስምካ ኣእዳወይ ከልዕል እየ። 5 ብብሉጽን ብሕሩይን ግደ* ዓጊበ እየ* እሞ፡ኣፈይ ብእልልታ ኸናፍረይ ኪውድሰካ እዩ።+ 6 ኣብ ዓራተይ ኰይነ እዝክረካ፡ብግዜ ሓለዋታት ለይቲ ኸኣ ብዛዕባኻ አስተንትን እየ።+ 7 ንስኻስ ረዳእየይ ኢኻ፣+ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ድማ እልል እብል እየ።+ 8 ናባኻ እለግብ እየ፣*የማነይቲ ኢድካ ኣጽኒዓ ትሕዘኒ።+ 9 እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ* ዚደልዩ ግና፡ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኺወርዱ እዮም። 10 ናብ ሓይሊ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም። ቀለብ ወኻሩ* ኪዀኑ እዮም። 11 ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስ እዩ። ኣፍ እቶም ሓሶት ዚዛረቡ ኺዕበስ እዩ እሞ፡ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ዅሉ ኺፍሳህ* እዩ። 124 “የሆዋ ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡”+—ሕጂ እስራኤል ይበል፡— 2 “የሆዋ ምሳና እንተ ዘይነብርሲ፡+ሰባት ኬጥቅዑና ምስ ተንስኡ፡+ 3 ቍጥዓኦም ኣብ ልዕሌና እናነደደ ኸሎ፡+ብህይወት ከለና ምወሓጡና።+ 4 ሽዑ፡ ማያት ምወሰደና፣ውሒዝ ብልዕሌና* ምወሓዘ።+ 5 ዚናወጽ ማያት ምወሓጠና።* 6 እቲ ኣደዳ ኣስናኖም ክንከውን ኣሕሊፉ ዘይሃበናየሆዋ ይወደስ። 7 ንሕና ኻብ መጻወድያ ሃዳናይከም ዘምለጠት ዑፍ ኢና፣*+እቲ መጻወድያ ተሰይሩ፡ንሕና ኸኣ ኣምሊጥና።+ 8 ረድኤትና ብስም እቲሰማይን ምድርን ዝገበረ የሆዋ እዩ።”+ 97 የሆዋ ነጊሱ!+ ምድሪ ትተሓጐስ።+ እተን ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበለን።+ 2 ደበናታትን ብርቱዕ ድነን ኣብ ዙርያኡ ኣሎ፣+ጽድቅን ፍትሕን መሰረት ዝፋኑ እየን።+ 3 ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፣+ንጸላእቱ ድማ ኣብ ዙርያኡ ይበልዖም።+ 4 በርቁ ንምድሪ የብርሃ፣ምድሪ ርእያቶ ራዕራዕ ትብል።+ 5 ኣኽራን ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ኸም ስምዒ ይመክኩ።+ 6 ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ፣ኵሎም ህዝብታት ድማ ክብሩ ይርእዩ።+ 7 ኵሎም እቶም ንጽሩብ ምስሊ ዘበለ ዜገልግሉ፡+እቶም በቶም ከንቱ ኣማልኽቶም ዚምክሑ፡ ይሕፈሩ። ኵልኹም ኣማልኽቲ፡ ስገዱሉ።*+ 8 ኦ የሆዋ፡ ብምኽንያት ፍርድታትካ፡ጽዮን ሰሚዓ ባህ ይብላ፡+ዓድታት* ይሁዳ ድማ ይሕጐሳ።+ 9 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ልዕል ዝበልካ ኢኻ።+ 10 ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ።+ ንሱ ህይወት* እሙናቱ ይሕሉ፣+ካብ ኢድ እኩያት የናግፎም።+ 11 ንጻድቃን ብርሃን በሪሁሎም፣+ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ከኣ ሓጐስ ኰይኑሎም። 12 ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፣ነቲ ቕዱስ ስሙ* እውን ኣመስግንዎ። 115 ንዓና ኣይኰነን፡ ኦ የሆዋ፡ ንዓና ኣይኰነን፣ግናኸ፡ ስለ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ተኣማንነትካን ኢልካ፡+ንስምካ ኽብሪ ሃቦ።+ 2 ስለምንታይ ኣህዛብ፡“ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፧” ዚብሉ፧+ 3 ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት እዩ፣ባህ ዝበሎ ድማ ይገብር። 4 ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮምብሩርን ወርቅን እዮም።+ 5 ኣፍ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይዛረቡን፣+ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣ 6 ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፣ኣፍንጫ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣየጫንዉን፣ 7 ኣእዳው ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይድህስሱን፣ኣእጋር ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይከዱን፣+ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድህዩን።+ 8 እቶም ዚገብርዎም፡ ከማታቶም ኪዀኑ እዮም፣+ኵሎም እቶም ብኣታቶም ዚእመኑ* እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+ 9 ኦ እስራኤል፡ ብየሆዋ ተኣመን፣*+—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።+ 10 ኣቱም ቤት ኣሮን፡+ ብየሆዋ ተኣመኑ፣*—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ። 11 ኣቱም ንየሆዋ እትፈርህዎ፡ ብየሆዋ ተኣመኑ፣*+—ንሱ ረድኤቶምን ዋልታኦምን እዩ።+ 12 የሆዋ ይዝክረና እዩ፣ ኪባርኸና እውን እዩ፣ንቤት እስራኤል ኪባርኻ እዩ፣+ንቤት ኣሮን ኪባርኻ እዩ፣ 13 ነቶም ንየሆዋ ዚፈርሁንኣሽቱን ዓበይትን ኪባርኾም እዩ። 14 የሆዋ ንዓኻትኩምን ንደቅኹምንኪውስኸልኩም እዩ።+ 15 እቲ ገባር ሰማይን ምድርን ዝዀነ+የሆዋ ይባርኽኩም።+ 16 ሰማያትሲ ናይ የሆዋ እዮም፣+ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃቦም።+ 17 ምዉታት ንያህ ኣይውድስዎን እዮም፣+ናብ ስቕታ ሞት* ዝወረዱ እውን ከምኡ።+ 18 ንሕና ግና ካብ ሕጂ ንዘለኣለምንያህ ክንውድሶ ኢና። ንያህ ወድስዎ!* 46 ኣምላኽ መዕቈቢናን ብርታዐናን+ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤትን እዩ።+ 2 ስለዚ፡ ምድሪ እኳ እንተ ተለወጠት፡ኣኽራን እኳ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተገልበጡ፡+ 3 ማያቱ እኳ እንተ ተናወጸን እንተ ዓፈረን፡+ኣኽራን እኳ ብሰንኪ ነውጹ እንተ ኣንቀጥቀጡ፡ ኣይንፈርህን ኢና። (ሴላ) 4 ነታ ቕድስቲ ዓባይ ማሕደር እቲ ልዑል ዝዀነት ከተማ ኣምላኽ+ዜሐጕስ ወሓይዝ ዘለዎ ፈለግ ኣሎ። 5 ኣምላኽ ኣብታ ኸተማ ኣሎ፣+ ኣይክትግልበጥን እያ። ኪወግሕ ከሎ፡ ኣምላኽ ኪረድኣ እዩ።+ 6 ኣህዛብ ረቢሾም፡ መንግስትታት ተገልቢጠን፣ድምጹ ዓው ምስ ኣበለ ኸኣ፡ ምድሪ መኺኻ፣+ 7 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ኣምላኽ ያእቆብ እምባና* እዩ። (ሴላ) 8 ንዑ፡ ተግባራት የሆዋ፡ኣብ ምድሪ ዝገበሮ መስተንክር ነገራት ርኣዩ። 9 ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።+ ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ንሰረገላታት* ብሓዊ የንድዶ። 10 “ስዩም በሉ፡ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ፍለጡ። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ልዕል ክብል፡+ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ።”+ 11 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፣+ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ።+ (ሴላ) 146 ንያህ ወድስዎ!*+ ኵለንትናይ ንየሆዋ ይወድሶ።*+ 2 ምሉእ ህይወተይ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ። ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ንኣምላኸይ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ። 3 ብመሳፍንቲ ዀነ፡በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ።*+ 4 መንፈሱ* ይወጽእ፡ ናብ ምድሪ ይምለስ፣+በታ መዓልቲ እቲኣ ሓሳባቱ ይጠፍእ።+ 5 ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዳኢኡ፡+ተስፋኡ ኸኣ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ዝገበረ፡ ሕጉስ እዩ፣+ 6 ንሱስ ሰማይን ምድርን፡ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፡+ወትሩ እሙን ዝዀነ፡+ 7 ንእተዓመጹ ፍትሒ ዜውጽኣሎም፡ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም እዩ።+ የሆዋ ንእሱራት ይፈትሖም።+ 8 የሆዋ ንኣዒንቲ ዕዉራት ይኸፍተን፣+የሆዋ ንዝደነኑ የተንስኦም፣+የሆዋ ንጻድቃን የፍቅሮም። 9 የሆዋ ንጓኖት የዕቍቦም፣ንዘኽታምን ንመበለትን ይኣልዮም፣+ውጥናት እኩያት ግና ይዓናቕፍ።*+ 10 የሆዋ ንዘለኣለም ኪነግስ፡+ኦ ጽዮን፡ ኣምላኽኪ ንውሉድ ወለዶ ኺነግስ እዩ። ንያህ ወድስዎ!* 53 ዓሻ ብልቡ፡“የሆዋ የሎን” ይብል።+ ብዓመጻ ዚገብርዎ ተግባሮም ብልሹውን ፍንፉንን እዩ፣ጽቡቕ ዚገብር የልቦን።+ 2 ኣምላኽ ግና፡ ልቦና ዘለዎ፡ ንየሆዋ ድማ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፡+ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።+ 3 ኵላቶም ኣልጊሶም፡ኵላቶም ብሓደ ተበላሽዮም እዮም። ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፣ሓደ እኳ የልቦን።+ 4 ገበርቲ ኽፉእዶ ኣይርድኡን እዮም፧ ንህዝበይ ከምቲ እንጌራ ዚብላዕ ገይሮም ይበልዕዎ። ናብ የሆዋ ኣይምህለሉን።+ 5 ግናኸ፡ ኣምላኽ ንኣዕጽምቲ እቶም ዜጥቅዑኻ* ዘለዉ ፋሕ ኬብሎ እዩ እሞ፡ቅድሚኡ ተሰሚዕዎም ብዘይፈልጥ ሽበራ፡*ብዓብዪ ሽበራ ኺምልኡ እዮም። የሆዋ ደርብይዎም እዩ እሞ፡ ንስኻ ኸተሕፍሮም ኢኻ። 6 ኣየ፡ ድሕነት እስራኤል ካብ ጽዮን እንተ ዚመጽእ!+ የሆዋ ንምሩኻት ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፡ያእቆብ ይተሓጐስ፡ እስራኤል እውን ባህ ይበሎ። 37 ብእኩያት ኣይትሕረቕ፡*ወይ ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ።+ 2 ንሳቶምሲ ኸም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪጽምልዉ፡+ከም ልምሉም ለቕሚ ኪቕምስሉ እዮም። 3 ብየሆዋ ተኣመን፡* ሰናይ ከኣ ግበር፣+ኣብ ምድሪ* ንበር፡ ብተኣማንነት ድማ ተመላለስ።+ 4 ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ፣*ንሱ ኸኣ ትምኒት ልብኻ ኺህበካ እዩ። 5 መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣*+ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ።+ 6 ንጽድቅኻ ኸም ወጋሕታ፡ንፍትሕኻ እውን ከም ጸሓይ ቀትሪ ኼብርሆ እዩ። 7 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቕ በል፡+ብሃንቀውታ* ተጸበዮ። ተንኰሉ ኺፍጽም ብዚሰልጦ ሰብኣይትሕረቕ።+ 8 ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ፣+ሓሪቕካ እከይ ኣይትግበር።* 9 እኩያትሲ ኺጠፍኡ እዮም፣+እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም።+ 10 ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣+ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም።+ 11 ዓቃላት* ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣+ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።+ 12 እኩይ ንጻድቕ ውዲት ይኣልመሉ፣+ኣስናኑ እውን ይሕርቅመሉ። 13 የሆዋ ግና ይስሕቆ፣ስለምንታይሲ፡ መዓልቱ ኸም እትመጽእ ይፈልጥ እዩ።+ 14 እኩያት ንጭቁንን ንድኻን ኬውድቕዎ፡ነቶም ቅኑዕ ዝመገዶም ኪሓርድዎም፡ኣስያፎም ይመልሑ፡ ቀስቶም እውን ይግትሩ። 15 ሰይፎም ግና ንገዛእ ልቦም ኪወግኦ፡+ቀስትታቶም ከኣ ኪስበር እዩ። 16 ካብ ናይ ብዙሓት እኩያት ሃብትስ፡ናይ ጻድቕ ሒደት ይበልጽ።+ 17 ቀላጽም እኩያትሲ ኺስበር እዩ፣የሆዋ ግና ንጻድቃን ኪድግፎም እዩ። 18 የሆዋ ነቲ እቶም መንቅብ ዘይብሎም ዜሕልፍዎ ይፈልጦ፣*ርስቶም ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+ 19 ብግዜ መዓት ኣይኪሓፍሩን እዮም፣ብግዜ ጥሜት ኪጸግቡ እዮም። 20 እኩያት ግና ኪጠፍኡ እዮም፣+ጸላእቲ የሆዋ ድማ ከም ዕሙር መጓሰዪ ኺበርሱ፡ከም ትኪ ኸኣ ኪበንኑ እዮም። 21 እኩይ ይልቃሕ፡ ኣይመልስን ድማ፣ጻድቕ ግና ለጋስ እዩ* እሞ፡ ይህብ።+ 22 እቶም ዝባረኾም ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣እቶም ዝረገሞም ግና ኪጠፍኡ እዮም።+ 23 የሆዋ ብመገዲ ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ+ንስጕምትታቱ ይመርሐን።*+ 24 የሆዋ ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡+እንተ ወደቐ እኳ፡ ኣይድርበን።+ 25 ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን።+ 26 ወትሩ ብናጻ የለቅሕ፣+ዘርኡ ድማ ይባረኹ። 27 ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ከኣ ግበር፣+ንዘለኣለም ድማ ክትነብር ኢኻ። 28 የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣ንእሙናቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎምን እዩ።+ ע [ዓይን] ንሳቶም ወትሩ ኺሕለዉ እዮም፣+ዘርኢ እኩያት ግና ኪጠፍኡ እዮም።+ 29 ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡+ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።+ 30 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የካፍል፣*ልሳኑ ድማ ብዛዕባ ፍትሒ ይዛረብ።+ 31 ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣+ስጕምትታቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ።+ 32 ኪቐትሎ ኢሉስ፡እኩይ ንጻድቕ ይጸናተዎ። 33 የሆዋ ግና ኣብ ኢዱ ኣይኪሓድጎን፡+ኪፍረድ ከሎ እውን ኣይኪዅንኖን እዩ።+ 34 ብየሆዋ ተስፋ ግበር፡ መገዱ እውን ስዓብ፣ንሱ ኸኣ ንምድሪ ኽትርስተያ ልዕል ኬብለካ እዩ። እኩያት ኪጠፍኡ ኸለዉ+ ኽትርኢ ኢኻ።+ 35 ንጨካን፡ ንእኩይኣብ ቦታኣ ኸም ዝለምዐት ኦም ኣስፋሕፊሑ ርእየዮ።+ 36 ብሃንደበት ግና ሓሊፉ ኸይዱ፣+እንተ ደለኽዎ ድማ፡ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን።+ 37 መንቅብ ንዘይብሉ* ኣስተብህለሉ፡ንቕኑዕ+ ከኣ ርኣዮ፡መጻኢ እቲ ሰብ እትስ ሰላም ኪኸውን እዩ።+ 38 ኵሎም ኣበስቲ ግና ኪጠፍኡ እዮም፣መጻኢ እኩያት ድማ ኪቝረጽ እዩ።+ 39 ድሕነት ጻድቃን ካብ የሆዋ እዩ፣+ንሱ ብግዜ ጭንቂ ዕርዶም እዩ።+ 40 የሆዋ ኺረድኦምን ኬናግፎምን እዩ።+ ኣብኡ ስለ እተማዕቈቡ፡ካብ እኩያት ኬናግፎምን ኬድሕኖምን እዩ።+ 64 ኦ ኣምላኽ፡ ክልምን ከለኹ፡ ድምጸይ ስማዕ።+ ንህይወተይ ካብ ራዕዲ ጸላኢ ሓልዋ። 2 ካብ ምስጢራዊ ውዲት እኩያት፡+ካብ ጭፍራ ገበርቲ ኽፉእ ከውለኒ። 3 ልሳኖም ከም ሰይፊ ይስሕሉ፣ሕሱም ቃላቶም ከኣ ከም ፍላጻታት የዝግቡ፣ 4 ካብቲ መሕብኢኦም ድማ ንንጹህ ይውርውሩሉ፣ብዘይ ፍርሂ ብሃንደበት ይውርውሩሉ። 5 እኩይ ሃቐናኦም ኣጽኒዖም ይሕዙ፣*መጻወድያታቶም ከመይ ገይሮም ከም ዚሓብእዎ ይዛራረቡ። “መን ኪርእዮ እዩ፧” ይብሉ።+ 6 ክፉእ ዚገብሩሉ ሓድሽ መገድታት የናድዩ፣ብምስጢር ከኣ ዜዐሹ ስልቲ ይምህዙ።+ ኣብ ውሽጢ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ሓሳብ ዘይምርመር እዩ። 7 ኣምላኽ ግና ኪውርውረሎም እዩ፣+ብሃንደበት ብፍላጻ ኪቘስሉ እዮም። 8 ልሳኖም ድማ ኬውድቖም እዩ፣+ዚርእዩ ዘበሉ ዅሎም ከኣ ርእሶም ኪንቕንቑ እዮም። 9 ሽዑ፡ ኵሎም ሰባት ኪፈርሁ፡ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ድማ ኪነግሩ፡ብዛዕባ ግብርታቱ ኸኣ ልቦና ኼጥርዩ እዮም።+ 10 ጻድቕ ብየሆዋ ኺሕጐስ፡ ኣብኡ እውን ኪምዕቈብ እዩ፣+ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ድማ ኪፍስሁ* እዮም። 107 ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+ 2 እቶም የሆዋ እተበጀዎም ከምኡ ይበሉ፣እወ፡ እቶም ካብ ኢድ ተጻራሪ እተበጀዎም፡+ 3 እቶም ካብ ሃገራት፡ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፡ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን ዝኣከቦም ከምኡ ይበሉ።+ 4 ኣብ በረኻ፡ ኣብ ምድረ በዳ ዀለል በሉ፣መገዲ መንበሪ እትዀኖም ከተማ ኣይረኸቡን። 5 ጠመዩን ጸምኡን፣ብድኻም ተወድኡ።* 6 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ኣእወዩ፣+ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም ኣናገፎም።+ 7 ናብ ዚነብሩላ ኸተማ ኺበጽሑስ፡+ብቕኑዕ መገዲ መርሖም።+ 8 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩንስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።+ 9 ንሱስ ንጽሙእ ኣርውይዎ፡*ንጥሙይ እውን ብጽቡቕ ኣጽጊብዎ* እዩ።+ 10 ገሊኦም ብጸበባን ብሓጺንን ተኣሲሮምኣብ ድቕድቕ ጸልማት ይነብሩ ነበሩ። 11 ንሳቶምሲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዓለዉ፣ንምኽሪ እቲ ልዑል ከኣ ነዓቕዎ።+ 12 ስለዚ፡ ንልቦም ብሽግር ኣዋረዶ፣+ተዓንቀፉ፡ ዚረድኦም እውን ኣይነበረን። 13 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም ኣድሓኖም። 14 ካብ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጽኦም፣መቓውሖም ድማ ሰበረ።+ 15 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን+ስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ። 16 ንሱስ መዓጹ ነሓሲ ሰቢሩ፡ተገዳማት ሓጺን ከኣ ቈሪጹ እዩ።+ 17 ዓያሹ ነበሩ፡ብሰሪ ኣበሳኦምን ስሕተቶምን ድማ ጸበቦም።+ 18 ንዅሉ ምግቢ ዝነበሮም ሸውሃት ጠፍአ፣*ናብ ኣፍ ደገታት ሞት እውን ቀረቡ። 19 ብጭንቆም ናብ የሆዋ ይምህለሉ ነበሩ፣ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም የድሕኖም ነበረ። 20 ቃሉ ልኢኹ የሕውዮም፡+ካብቲ እተቐርቀሩሉ ጐዳጕዲ ድማ የናግፎም ነበረ። 21 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩንስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ። 22 መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ይሰውኡ፡+ግብርታቱ እውን ብእልልታ ይንገሩ። 23 እቶም ኣብ ባሕሪ ብመራኽብ ዚጕዓዙ፡እቶም ኣብ ሰፊሕ ማያት ንግዶም ዜካይዱ፡+ 24 ንሳቶም ግብርታት የሆዋ፡ኣብ መዓሙቝ ድማ ዜደንቕ ግብርታቱ ርእዮም እዮም፣+ 25 ብቓሉ ማዕበላት ባሕሪ ዜልዕል+ህቦብላ ንፋስ ይትንስእ። 26 ክሳብ ሰማይ ይድይቡ፣ናብ መዓሙቝ ይወርዱ። ብሰንኪ እቲ ዘንጠልጠለ መዓት ትብዓቶም ይመክኽ።* 27 ከም ስኹር ሰንደልደልን ሰንከልከልን ይብሉ፣ኵሉ ኽእለቶም ድማ ኣይጠቅምን።+ 28 ሽዑ፡ ብጭንቆም ናብ የሆዋ የእውዩ፣+ንሱ እውን ካብ ጸበባኦም የናግፎም። 29 ንህቦብላ ንፋስ የህድኦ፣ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ዝግ ይብል።+ 30 ምስ ሃድአ፡ ንሳቶም ይሕጐሱ፣ናብቲ ዝደለይዎ ወደብ ድማ ይመርሖም። 31 ንየሆዋ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩንስለቲ ንደቂ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱን የመስግንዎ።+ 32 ኣብ ጉባኤ ህዝቢ ልዕል የብልዎ፣+ኣብ ባይቶ* ሽማግለታት ድማ ይወድስዎ። 33 ንሱ ንኣፍላግ ናብ ምድረ በዳ፡ንዓይኒ ማያት ከኣ ናብ ምድሪ ኣጻምእ ይልውጦ፣+ 34 እወ፡ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዚቕመጥዋ፡+ንፍርያም ምድሪ ናብ ጨዋም ምድሪ ይልውጣ። 35 ንምድረ በዳ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያታት ማይ፡ንንቑጽ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ይልውጦ።+ 36 ዚነብሩላ ኸተማ ኺስርቱስ፡+ንጥሙያት ኣብኡ የቐምጦም።+ 37 ብዙሕ ፍረ ኺፈርስ፡+ግራውቲ ይዘርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ይተኽሉ።+ 38 ንሱ ይባርኾም እሞ ኣዝዮም ይበዝሑ፣ከብቶም ከኣ ኣየውሕደሎምን።+ 39 ብሰሪ ጭቈናን መዓትን ጓህን ግና፡ከም ብሓድሽ ይውሕዱን ይዋረዱን። 40 ኣብ ልዕሊ ልዑላን ንዕቀት የፍስስ፣መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ እውን ኰለል የብሎም።+ 41 ንድኻታት ግና ካብ ጭቈና ይከላኸለሎም፣*+ንዓሌታቶም ከኣ ከም መጓሰ የብዝሖም። 42 ቅኑዓት እዚ ርእዮም ይሕጐሱ፣+ኵሎም ዓመጽቲ ግና ኣፎም ይዓጽዉ።+ 43 ጥበበኛ ዘበለ ነዚ ኺዕዘቦ፡+ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ድማ ተጠንቂቑ ኺሓስቦ እዩ።+ 119 ብመገዶም መንቅብ ዘይብሎም፡*ብሕጊ የሆዋ ኸኣ ዚመላለሱ፡ ሕጉሳት እዮም።+ 2 መዘኻኸሪታቱ ዚሕልዉ፡+ብዅሉ ልቦም ድማ ዚደልይዎ፡ ሕጉሳት እዮም።+ 3 ዓመጻ ኣይገብሩን፣ብመገድታቱ እውን ይመላለሱ።+ 4 ትእዛዛትካ ብጥንቃቐ ኺሕሎስ፡ንስኻ ኣዚዝካ።+ 5 ስርዓታትካ ኽሕሉስ፡+ኣየ ጸኒዐ እንተ ዝመላለስ!* 6 ሽዑ፡ ንዅሉ ትእዛዛትካ ኽሓስብ ከለኹ፡ኣይምሓፈርኩን።+ 7 ቅኑዕ ፍርድታትካ ምስ ተመሃርኩ፡ብቕኑዕ ልቢ ኽውድሰካ እየ። 8 ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። ፈጺምካ ኣይትሕደገኒ። 9 ጐበዝ ንመገዱ ኸመይ ገይሩ ብንጽህና ይሕልዋ፧ ከም ቃልካ ንርእሱ ብምሕላው እዩ።+ 10 ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣለኹ። ካብ ትእዛዛትካ ኸልግስ ኣይትሕደገኒ።+ 11 ንዓኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡+ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቚረዮ።+ 12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ተወደስ፣ስርዓታትካ ምሃረኒ። 13 ኵሉ እቲ እተዛረብካዮ ፍርድታትካብኸናፍረይ እነግር እየ። 14 ካብ ብኻልእ ኵሉ ጥሪት ንላዕሊ፡+ብመዘኻኸሪታትካ እሕጐስ እየ።+ 15 ንትእዛዛትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ፡*+ኣዒንተይ ድማ ኣብ መገድታትካ ኽገብር እየ።+ 16 ንሕግታትካ እፈትዎ እየ። ንቓልካ ኣይክርስዖን እየ።+ 17 ብህይወት ክነብር፡ ቃልካ እውን ክሕሉስ፡ንጊልያኻ ጽቡቕ ግበረሉ።+ 18 ኣብ ሕግኻ ዜደንቕ ነገራትብንጹር ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ። 19 ኣነ ኣብዛ ምድሪ፡ ጓና እየ።+ ትእዛዛትካ ኣይትሕብኣለይ። 20 ኣነ* ዅሉ ሳዕ ንፍርድታትካብምንፋቕ ተወዲአ። 21 ንተዳፈርቲ፡ካብ ትእዛዛትካ ንዜልግሱ ርጉማት፡ ትገንሖም።+ 22 መዘኻኸሪታትካ ሓልየ እየ እሞ፡ጸርፍን ንዕቀትን ኣርሕቐለይ።* 23 መሳፍንቲ ብሓባር ተቐሚጦም ኣንጻረይ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ጊልያኻ ንስርዓታትካ ይሓስበሉ* እዩ። 24 ንመዘኻኸሪታትካ እፈትዎም እየ፣+ኣማኸርተይ እዮም።+ 25 ኣብ ሓመድ በጥ ኢለ ኣለኹ።*+ ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።+ 26 መገድታተይ ነጊረካ፡ ንስኻ እውን መሊስካለይ። ስርዓታትካ ምሃረኒ።+ 27 ንዜደንቕ ግብርታትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉስ፡*+ትርጉም* ትእዛዛትካ ኣረድኣኒ። 28 ብጓሂ ድቃስ ስኢነ ኣለኹ።* ከም ቃልካ ኣበርትዓኒ። 29 መገዲ ምትላል ኣርሕቐለይ፣+ብሕግኻ እውን ሞገስ ኣርእየኒ። 30 መገዲ ተኣማንነት መሪጸ ኣለኹ።+ ፍርድታትካ ቕኑዕ ምዃኑ እፈልጥ እየ። 31 ናብ መዘኻኸሪታትካ እለግብ እየ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣይተሕፍረኒ።+ 32 ልበይ ስለ ዘግፋሕካ፡*ንመገዲ ትእዛዛትካ ተሃንጥየ ኽስዕባ* እየ። 33 ኦ የሆዋ፡ መገዲ ስርዓታትካ ምሃረኒ፣+ክሳዕ መወዳእታ እውን ክስዕቦ እየ።+ 34 ሕግኻ ኽሕሉንብምሉእ ልበይ ክገብሮንሲ፡ኣእምሮ ሃበኒ። 35 ብእኡ ደስ ይብለኒ እዩ እሞ፡ብመገዲ ትእዛዛትካ ምርሓኒ።*+ 36 ልበይ ናብ ጥቕሚ ርእሰይ* ዘይኰነስ፡+ናብ መዘኻኸሪታትካ ኣዘምብል። 37 ንኣዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፣+ብመገድኻ ብህይወት ኣንብረኒ። 38 ምእንቲ ኽትፍራህሲ፡ንጊልያኻ ቓልካ ፈጽመሉ።* 39 ፍርድታትካ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ነቲ ዝፈርሆ ውርደት ኣርሕቐለይ።+ 40 ትእዛዛትካ ኸመይ ከም ዝናፍቕ ርአ። ብጽድቅኻ ብህይወት ኣንብረኒ። 41 ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ፡+ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ድሕነትካን እርከብ፣+ 42 ብቓልካ እእመን እየ እሞ፡ነቲ ዜባጭወለይ ክምልሰሉ እየ። 43 ብፍርድኻ ተስፋ ገይረ* ኣለኹ እሞ፡ቃል ሓቂ ኻብ ኣፈይ ፈጺምካ ኣይተርሕቕ። 44 ንሕግኻ ወትሩ፡ንዘለኣለመ ኣለም ክሕልዎ እየ።+ 45 ትእዛዛትካ እደሊ እየ እሞ፡ብውሑስ ቦታ* ኽመላለስ እየ።+ 46 ኣብ ቅድሚ ነገስታት ብዛዕባ መዘኻኸሪታትካ ኽዛረብ፡ኣይክሓፍርን እውን እየ።+ 47 ንትእዛዛትካ እፈትዎ፡እወ፡ አፍቅሮ እየ።+ 48 ኣእዳወይ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፡+ንስርዓታትካ ኸኣ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ* እየ።+ 49 ነቲ ንዓይ ንጊልያኻ ዘተስፎኻኒ*ቓል ዘክሮ። 50 ቃልካ ብህይወት ኣንቢሩኒ እዩ እሞ፡እዚ ብጸበባይ መጸናንዕየይ እዩ።+ 51 ተዳፈርቲ ፈጺሞም ይንዕቁኒ እዮም፣ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየልግስን እየ።+ 52 ኦ የሆዋ፡ ናይ ጥንቲ ፍርድታትካ እዝክር፡+ብእኡ ድማ እጸናናዕ እየ።+ 53 ብሰሪ እቶም ሕግኻ ዝሓደጉ እኩያትብዚነድድ ቍጥዓ ተታሒዘ ኣለኹ።+ 54 ኣብ ዝነበርኩ እንበር፡*ስርዓታትካ መዝሙራተይ እዩ። 55 ኦ የሆዋ፡ ሕግኻ ኽሕሉስ፡+ብለይቲ ስምካ እዝክር እየ። 56 ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡እዚ ልማደይ ኰይኑ ኣሎ። 57 የሆዋ ግደይ እዩ፣+ቃልካ ኽሕሉ ቓል ኣትየ እየ።+ 58 ብምሉእ ልበይ እልምነካ* ኣለኹ፣+ከም ቃልካ ሞገስካ ኣርእየኒ።+ 59 ኣእጋረይ ናብ መዘኻኸሪታትካ ንምምላስሲ፡መገድታተይ መርሚረ እየ።+ 60 ትእዛዛትካ ንምሕላው፡እቕልጥፍ እምበር ኣይድንጕን እየ።+ 61 ኣግማድ እኩያት ከቢቡኒ፣ሕግኻ ግና ኣይርስዕን እየ።+ 62 ስለቲ ቕኑዕ ፍርድታትካስ፡ፍርቂ ለይቲ ኸመስግነካ ኽትንስእ እየ።+ 63 ኣነ ፈታው ኵሎም እቶም ዚፈርሁኻንእቶም ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ።+ 64 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ንምድሪ መሊእዋ ኣሎ፣+ስርዓታትካ ምሃረኒ። 65 ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ፡ንጊልያኻ ጽቡቕ ጌርካሉ። 66 ብትእዛዛትካ ተኣሚነ እየ እሞ፡ልብምናን ፍልጠትን ምሃረኒ።+ 67 ቅድሚ ጸበባይ፡ አልግስ ነይረ፣*ሕጂ ግና ቃልካ እሕሉ ኣለኹ።+ 68 ንስኻ ሕያዋይ* ኢኻ፡+ ግብርታትካ እውን ጽቡቕ እዩ። ስርዓታትካ ምሃረኒ።+ 69 ተዳፈርቲ ብሓሶት ይጥቅኑኒ ኣለዉ፣ኣነ ግና ብዅሉ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ ኣለኹ። 70 ልቦም ስምዒት ኣልቦ* ዀይኑ ኣሎ፣+ኣነ ግና ንሕግኻ እፈትዎ እየ።+ 71 ስርዓታትካ ምእንቲ ኽምሃርሲ፡ጸበባ ምርካበይ ጽቡቕ እዩ።+ 72 ካብ ኣሽሓት ወርቅን ብሩርንሲ፡እቲ ዝኣወጅካዮ ሕጊ ይሕሸኒ።+ 73 ኣእዳውካ እየን ገይረናንን ሰሪሐናንን። ትእዛዛትካ ኽምሃርሲ፡ኣእምሮ ሃበኒ።+ 74 ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡+እቶም ዚፈርሁኻ፡ ርእዮምኒ ይሕጐሱ። 75 ኦ የሆዋ፡ ፍርድታትካ ቕኑዕ ምዃኑ፡+ብተኣማንነትካ ድማ ከም ዘጽበብካለይ እፈልጥ እየ።+ 76 ከምቲ ንጊልያኻ ዝኣቶኻዮ ቓል፡ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ+ የጸናንዓኒ። 77 ንሕግኻ እፈትዎ እየ እሞ፡+ብህይወት ክነብርሲ፡ ምሕረት ኣርእየኒ።+ 78 ብዘይ ምኽንያት* ይብድሉኒ እዮም እሞ፡ተዳፈርቲ ይሕፈሩ። ኣነ ግና ንትእዛዛትካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ* እየ።+ 79 እቶም ዚፈርሁኻ፡እቶም ንመዘኻኸሪታትካ ዚፈልጡ፡ ናባይ ይመለሱ። 80 ምእንቲ ኸይሓፍርሲ፡+ልበይ መንቅብ ዘይብሉ ዀይኑ ንስርዓታትካ ይስዓቦ።+ 81 ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡ንድሕነትካ እናፍቕ ኣለኹ።*+ 82 “መዓስ ኢኻ እተጸናንዓኒ፧” እናበልኩ፡+ኣዒንተይ ንቓልካ ይናፍቓ ኣለዋ።+ 83 ኣነስ ኣብ ትኪ ኸም ዝነቐጸ ሓርቢ እየ፣ስርዓታትካ ግና ኣይርስዕን እየ።+ 84 ጊልያኻ ኽንደይ መዓልትታት እዩ ኺጽበ፧ ኣብቶም ዚሰጕጉኒ መዓስ ኢኻ ፍርዲ ኸተምጽእ፧+ 85 ተዳፈርቲ፡እቶም ንሕግኻ ዚዳፈሩ፡ ጕድጓድ ይዅዕቱለይ። 86 ኵሉ ትእዛዛትካ እሙን እዩ። ብዘይ ምኽንያት ይሰጕጉኒ ኣለዉ፣ ርድኣኒ!+ 87 ካብ ምድሪ ዳርጋ ኣጽኒቶምኒ ነይሮም፣ኣነ ግና ትእዛዛትካ ኣይሓደግኩን። 88 ነቲ እተዛረብካዮ መዘኻኸሪታት ክሕሉስ፡ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ብህይወት ኣንብረኒ። 89 ኦ የሆዋ፡ ቃልካ ኣብ ሰማያትንዘለኣለም ይነብር።+ 90 ተኣማንነትካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+ ንምድሪ ኣጽኒዕካያ ኢኻ፣ ንሳ እውን ትቐውም።+ 91 ኵሎም* ገላዉኻ እዮም እሞ፡ብፍርድታትካ ኽሳዕ ሎሚ ይነብሩ። 92 ንሕግኻ እንተ ዘይፈትዎስ፡ብጸበባይ ምጠፋእኩ ነይረ።+ 93 ብእኡ ብህይወት ተንብረኒ ኢኻ እሞ፡ንትእዛዛትካ ኸቶ ኣይርስዖን እየ።+ 94 ትእዛዛትካ ደልየ እየ እሞ፡+ኣነ ናትካ እየ፣ ኣድሕነኒ።+ 95 እኩያት ኬጥፍኡኒ ይጽበዩ፣ኣነ ግና ናብ መዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ አቕልብ ኣለኹ። 96 ንዅሉ ፍጽምና ደረቱ ርእየ እየ፣ትእዛዝካ ግና ደረት የብሉን።* 97 ንሕግኻ ኽንደይ ኰን እየ ዘፍቅሮ!+ ምሉእ መዓልቲ ኣጸቢቐ እሓስበሉ* ኣለኹ።+ 98 ትእዛዝካ ንዘለኣለም ምሳይ እዩ እሞ፡ሓለፋ ጸላእተይ ጥበበኛ ይገብረኒ እዩ።+ 99 ንመዘኻኸሪታትካ ኣጸቢቐ እሓስበሉ* እየ እሞ፡ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ልቦና ኣሎኒ።+ 100 ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ፡ሓለፋ ዓበይቲ ብኣእምሮ እመላለስ እየ። 101 ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡ብኽፉእ መገዲ ምምልላስ ኣብየ እየ።+ 102 ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻ እሞ፡ካብ ፍርድታትካ ኣየልግስን እየ። 103 ቃላትካ ንትንሓገይ ክንደይ ኰን ይጥዕም! ንኣፈይ ካብ መዓር ዝበለጸ ይምቅር!+ 104 ሳላ ትእዛዛትካ ብኣእምሮ እመላለስ እየ።+ ስለዚ እየ ዅሉ መገዲ ሓሶት ዝጸልእ።+ 105 ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።+ 106 ንቕኑዕ ፍርድታትካ ኽሕሉምሒለ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ። 107 ብዙሕ ጸቢቡኒ ኣሎ።+ ኦ የሆዋ፡ ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ።+ 108 ኦ የሆዋ፡ በቲ ብውዳሰ ዚቐርብ መስዋእቲ ፍታው* ግዳ ባህ ይበልካ፣+ፍርድታትካ ድማ ምሃረኒ።+ 109 ህይወተይ ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ፣*ሕግኻ ግና ኣይረሳዕኩን።+ 110 እኩያት መጻወድያ ኣጻዊዶምለይ፣ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየልገስኩን።+ 111 መዘኻኸሪታትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፡+ነባሪ ርስተይ* ገይረዮ ኣለኹ። 112 ኵሉ ግዜ፡ ክሳዕ መወዳእታ፡ንስርዓታትካ ኽእዘዝ ቈሪጸ ኣለኹ።* 113 ፍርቂ ዝልቦም* እጸልእ፡+ሕግኻ ግና አፍቅር እየ።+ 114 ቃልካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡+ንስኻ መሕብእየይን ዋልታይን ኢኻ።+ 115 ትእዛዛት ኣምላኸይ ክሕሉስ፡ኣቱም እኩያት፡ ካባይ ርሓቑ።+ 116 ብህይወት ክነብርሲ፡ከም ቃልካ ደግፈኒ፣+ተስፋይ ናብ ሕፍረት ኣይትለውጦ።+ 117 ምእንቲ ኽድሕን ደግፈኒ፣+ሽዑ፡ ወትሩ ኣብ ስርዓታትካ ኸተኵር እየ።+ 118 ብሓሶት ዚመላለሱን መታለልትን እዮም እሞ፡ንዅሎም እቶም ካብ ስርዓታትካ ዜልግሱ ትድርብዮም።+ 119 ንዅሎም እኩያት ምድሪ፡ ከም ሓተላ ብረት ትጕሕፎም።+ ስለዚ እየ ንመዘኻኸሪታትካ ዘፍቅሮ። 120 ራዕድኻ ንሰብነተይ* ራዕራዕ የብሎ፡ፍርድታትካ ኸኣ የፍርሃኒ እዩ። 121 ፍትሕን ጽድቅን ገይረ እየ። ናብ ጨቈንተይ ኣይትደርብየኒ! 122 ዋሕስ ድሕንነት ጊልያኻ ኹን፣ተዳፈርቲ ኣይጨቍኑኒ። 123 ኣዒንተይ ንድሕነትካንንቕኑዕ ቃልካን ኪጽበያ ደኺመን ኣለዋ።+ 124 ንጊልያኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ፣+ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ።+ 125 ኣነ ጊልያኻ እየ፣መዘኻኸሪታትካ ኽፈልጥሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+ 126 ሕግኻ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡የሆዋ ግብሩ ዚገብረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።+ 127 ስለዚ እየ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፡አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ ዘፍቅሮ።+ 128 ስለዚ፡ ትእዛዝካ ዘበለ ቕኑዕ ገይረ እቘጽሮ፡+መገዲ ሓሶት ዘበለ ድማ እጸልእ እየ።+ 129 መዘኻኸሪታትካ ዜደንቕ እዩ። ስለዚ እየ ዝሕልዎ።* 130 ምግላጽ ቃላትካ የብርህ፡+ንዘይለበሙ ኣእምሮ ይህብ።+ 131 ትእዛዛትካ ናፊቐ እየ እሞ፡ኣፈይ ሃህ ኣቢለ ሃንቀው እብል* ኣለኹ።+ 132 ከምቲ ስምካ ንዜፍቅሩ እትፈርደሎም ፍርዲ፡+ተመለሰንን ሞገስ ኣርእየንን።+ 133 ንስጕምትታተይ ብቓልካ ምርሓየን፣*እከይ ድማ ኣይምለኸኒ።+ 134 ካብ ጨቈንቲ ሰባት ኣናግፈኒ፣*ኣነ እውን ትእዛዛትካ ኽሕሉ እየ። 135 ንጊልያኻ ገጽካ ኣብርሃሉ፣+ስርዓታትካ ኸኣ ምሃረኒ። 136 ሕግኻ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ካብ ኣዒንተይ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።+ 137 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፣+ፍርድታትካ ድማ ቅኑዕ እዩ።+ 138 እቲ እትህቦ መዘኻኸሪታት ቅኑዕንምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምንን እዩ። 139 ተጻረርተይ ቃልካ ረሲዖም እዮም እሞ፡ቅንኣተይ ይበልዓኒ ኣሎ።+ 140 ቃልካ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ፣+ጊልያኻ ድማ የፍቅሮ እዩ።+ 141 ኣነ ንእሽቶን ንዑቕን እየ፣+ግናኸ፡ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን። 142 ጽድቅኻ ናይ ዘለኣለም ጽድቂ እዩ፣+ሕግኻ እውን ሓቂ እዩ።+ 143 ጭንቅን ሽግርን እኳ እንተ ረኸበኒ፡ንትእዛዛትካ እፈትዎ እየ። 144 ጽድቂ መዘኻኸሪታትካ ንዘለኣለም እዩ። ብህይወት ክነብርሲ፡ ኣእምሮ ሃበኒ።+ 145 ብምሉእ ልበይ እጽውዕ ኣለኹ። ኦ የሆዋ፡ መልሰለይ። ስርዓታትካ ኽሕሉ እየ። 146 እጽውዓካ ኣለኹ፣ ኣድሕነኒ! መዘኻኸሪታትካ ኽሕሉ እየ። 147 ቃላትካ ተስፋይ እዩ* እሞ፡ከእውስ ቅድሚ ወጋሕታ* ነቒሐ።+ 148 ንቓልካ ኣጸቢቐ ኽሓስበሉስ፡*ኣዒንተይ ቅድሚ እቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ይኽፈታ።+ 149 ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ፡ ድምጸይ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ከም ፍትሕኻ ብህይወት ኣንብረኒ። 150 እቶም ዜሕፍር ተግባር* ዚገብሩ ይቐርቡ ኣለዉ፣ካብ ሕግኻ ርሑቓት እዮም። 151 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ቐረባ ኢኻ፣+ኵሉ ትእዛዛትካ ኸኣ ሓቂ እዩ።+ 152 ብዛዕባ እቲ ንዘለኣለም ኪነብር ዝሰረትካዮመዘኻኸሪታትካ ቐደም ፈሊጠ።+ 153 ሕግኻ ኣይረሳዕኩን እሞ፡ጸበባይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።+ 154 ተማጐተለይ እሞ ኣናግፈኒ፣+ከም ቃልካ ብህይወት ኣንብረኒ። 155 እኩያት ስርዓታትካ ኣይደለዩን እሞ፡ድሕነት ካብኦም ርሒቑ እዩ።+ 156 ኦ የሆዋ፡ ምሕረትካ ዓብዪ እዩ።+ ከም ፍትሕኻ ብህይወት ኣንብረኒ። 157 ሰጐጕተይን ተጻረርተይን ብዙሓት እዮም፣+ኣነ ግና ካብ መዘኻኸሪታትካ ኣየልገስኩን። 158 ቃልካ ኣይሕልዉን እዮም እሞ፡ንጠለምቲ ርእየ እፍንፍኖም እየ።+ 159 ትእዛዛትካ ኸመይ ከም ዘፍቅሮ ርአ! ኦ የሆዋ፡ ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ብህይወት ኣንብረኒ።+ 160 ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ፣+ኵሉ እቲ ቕኑዕ ፍርድታትካ ድማ ንዘለኣለም ይነብር። 161 መሳፍንቲ ብዘይ ምኽንያት ይሰጕጉኒ፣+ልበይ ግና፡ ቃልካ እዩ ዚፈርህ።+ 162 ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝረኸበ፡ብቓልካ እሕጐስ እየ።+ 163 ንሓሶት እጸልኦ፡ እፍንፍኖ እውን እየ፣+ንሕግኻ ግና አፍቅሮ እየ።+ 164 ስለቲ ቕኑዕ ፍርድታትካ፡ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሳዕ እውድሰካ እየ። 165 እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፣+ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።* 166 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ግብርታት ድሕነትካ ተስፋ እገብር፡ትእዛዛትካ ድማ እሕሉ እየ። 167 መዘኻኸሪታትካ እሕሉ፡*ኣዝየ እውን አፍቅሮ እየ።+ 168 ኵሉ እቲ ዝገብሮ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡+ትእዛዛትካን መዘኻኸሪታትካን እሕሉ እየ። 169 ኦ የሆዋ፡ ኣውያተይ ይብጻሕካ።+ ከም ቃልካ ኣረድኣኒ።+ 170 ናይ ሞገስ ልማኖይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ። ከም ቃልካ ኣድሕነኒ። 171 ስርዓታትካ ትምህረኒ ኢኻ እሞ፡ከናፍረይ ብውዳሰኻ ይጀርብባ።+ 172 ኵሉ ትእዛዛትካ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ልሳነይ ብዛዕባ ቓልካ ትዘምር።+ 173 ትእዛዛትካ ኽሕሉ ሓርየ እየ እሞ፡+ኢድካ ኽትረድኣኒ ድልውቲ ትኹን።+ 174 ኦ የሆዋ፡ ድሕነትካ እናፍቕ ኣለኹ፣ንሕግኻ እውን እፈትዎ እየ።+ 175 ክውድሰካስ ብህይወት ኣንብረኒ፣*+ፍርድታትካ ድማ ይርድኣኒ። 176 ከም ጥፍእቲ በጊዕ ሃውቲተ ኣለኹ።+ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኩን እሞ፡+ ንጊልያኻ ድለዮ። 57 ኦ ኣምላኽ፡ ኣባኻ እምዕቈብ፡*+ሽግራት ክሳዕ ዚሓልፍ ድማ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ እዕቈብ ኣለኹ እሞ፡+ሞገስካ ኣርእየኒ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ። 2 ነቲ ልዑል ኣምላኽ፡ነቲ ነዚ መወዳእታ ዚገብረለይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እጽውዖ ኣለኹ። 3 ካብ ሰማይ ረድኤት ኪሰድደለይን ኬድሕነንን እዩ።+ ነቲ ዚነኽሰኒ፡ ኬፍሽለሉ እዩ። (ሴላ) ኣምላኽ ነቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ኪልእኽ እዩ።+ 4 ብኣናብስ ተኸቢበ ኣለኹ፣*+ኣብ መንጎ እቶም ኪውሕጡኒ ዚደልዩ፡ኣስናኖም ኲናውትን ፍላጻታትን ዝዀነ፡ልሳኖም ከኣ በሊሕ ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣለኹ።+ 5 ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+ 6 ንኣእጋረይ ንምጽዋድ መርበብ ኣዳልዮምለይ ኣለዉ፣+ብጭንቂ ጐቢጠ ኣለኹ።*+ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኵዒቶም ኣለዉ፣ግናኸ፡ ንሳቶም ኣብኡ ወዲቖም።+ (ሴላ) 7 ኦ ኣምላኽ፡ ልበይ ጽኑዕ እዩ፣+ልበይ ጽኑዕ እዩ። ክዝምርን ከዝይምን እየ። 8 ክብረየ፡ ንቓሕ። ኦ በገና፡ ንስኺ እውን ኦ መሰንቆ፡* ንቕሒ። ንወጋሕታ ኸንቅሖ እየ።+ 9 ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክውድሰካ፡+ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ።+ 10 እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻስ ዓብዪ፡ ክሳብ ሰማያት፡እቲ ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ጠፈር እዩ።+ 11 ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+ 40 ብየሆዋ ብዙሕ ተስፋ ገይረ፣*ንሱ እውን እዝኑ ናባይ ኣድኒኑ* ኣውያተይ ሰሚዑ።+ 2 ድዋሕዋሕ ካብ ዚብል ጕድጓድ፡ካብ ረግረግ ጸብሪ ኣውጺኡኒ። ንኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚምወን፣ንስጕምትታተይ ከኣ ኣጽኒዕወን። 3 ንኣምላኽና ውዳሰ ዚኸውንሓድሽ መዝሙር ድማ ኣብ ኣፈይ ኣንቢሩ።+ ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፡ብየሆዋ ኸኣ ኪእመኑ* እዮም። 4 ብየሆዋ ዚእመን፡*ናብ ሕንግድ ወይ ናብቶም ናይ ሓሶት* ድማ ዘየብል ሰብ ሕጉስ እዩ። 5 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ዜደንቕ ግብርታትካን ንዓና ዝሓሰብካዮ ሓሳባትካን፡እቲ ዝገበርካዮስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ።+ ምሳኻ ኺወዳደር ዚኽእል የልቦን፣+ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ዝፍትንሲ፡ምጽብጻቡ ዘይከኣል ብዙሕ ምዀነ!+ 6 መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፣*+ኣእዛነይ ኪሰምዓ ግና ከፊትካለይ።+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይሓተትካን።+ 7 ሽዑ፡ ኣነ ኸምዚ ኢለ፦ “እነኹ፡ መጺአ። ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ።+ 8 ኦ ኣምላኸይ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ፣*+ሕግኻ ድማ ኣብ ውሽጠይ እዩ።+ 9 ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ብስራት ጽድቂ ኣበሲረ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጦ፡እንሆ፡ ከናፍረይ ኣይገታእኩን።+ 10 ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይከወልክዎን። ተኣማንነትካን ድሕነትካን እነግር እየ። ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ሓቅኻን ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኣይሓባእኩን።”+ 11 ኦ የሆዋ፡ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ። ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕርኻን ሓቅኻን ወትሩ ይሓልዋኒ።+ 12 ምቝጻሩ ዘይከኣል መዓት ከቢቡኒ።+ መገደይ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን፡ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ስሕተተይ ውሒጡኒ።+ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሕ እዩ እሞ፡ልበይ ጠፊኡኒ ኣሎ። 13 ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ንምድሓነይ ፍቓደኛ ኹን።+ ኦ የሆዋ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+ 14 ኵሎም እቶም ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ዚደልዩ፡ይሕፈሩን ይዋረዱን። እቶም ብመዓተይ ደስ ዚብሎም፡ናብ ውርደት የንሳሕቡ። 15 እቶም “ኣሰይ! ኣሰይ!” ዚብሉኒ፡ብሰሪ ሕፍረቶም ይሰምብዱ። 16 እቶም ዚደልዩኻ ግና፡+ብኣኻ ይፈስሁን ይተሓጐሱን።+ እቶም ግብርታት ድሕነትካ ዚፈትዉ ኸኣ፡ወትሩ፡ “የሆዋ ይዕበ” ይበሉ።+ 17 ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣የሆዋ ደኣ የቕልበለይ። ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ፣+ኣምላኸየ፡ ኣይትደንጒ።+ 93 የሆዋ ነጊሱ!+ ግርማ ለቢሱ፣የሆዋ ብርታዐ ለቢሱ፣ከም ዕጣቕ ተዓጢቕዎ። ምድሪ* ጸኒዓ እያ፣ኣይትነቓነቕን* እያ። 2 ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣+ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ኢኻ።+ 3 ኦ የሆዋ፡ ኣፍላግ ተላዒሎም፣ኣፍላግ ተላዒሎም ደሃዮም ኣልዒሎም፣ኣፍላግ ይልዓሉን ይሃምሙን ኣለዉ፣ 4 ካብ ደሃይ ብዙሕ ማያት፡ካብ ዚጻፋዕ ብርቱዕ ማዕበላት ባሕሪ፡+የሆዋ ኣብ ላዕሊ ይብርትዕ።+ 5 መዘኻኸሪታትካ ኣዝዩ እሙን እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ ቅድስና ንቤትካ ንሓዋሩ ሰሊምዋ።*+ 16 ኦ ኣምላኽ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ እሞ፡ ኣዕቍበኒ።+ 2 ንየሆዋ ኸምዚ ኢለዮ፦ “ንስኻ የሆዋ፡ ምንጪ ሰናየይ ኢኻ። 3 ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕዱሳት፡ማለት እቶም ግሩማት ከኣ፡ ዓብዪ ደስታ የምጽኡለይ።”+ 4 እቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስዕቡ፡ ጓሂኦም የብዝሑ።+ ናይ ደም መስዋእቲ መስተኦም ከቶ ኣይከፍስስን እየ፣ከናፍረይ እውን ስማቶም ኣይኪጠቕሳን እየን።+ 5 የሆዋ ግደይን ብጽሒተይን+ ጽዋአይን እዩ።+ ንስኻ ንርስተይ ትሕልዎ። 6 ባህ ዜብል ቦታታት ተለኪዑለይ። እወ፡ ብርስተይ ዕጉብ እየ።+ 7 ነቲ ዝመኸረኒ የሆዋ ኽውድሶ እየ።+ ብለይቲ እኳ ውሽጣዊ ሓሳባተይ* ይእርመኒ።+ 8 ንየሆዋ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እገብሮ እየ።+ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ከቶ ኣይናወጽን* እየ።+ 9 ስለዚ፡ ልበይ ይሕጐስ፡ ኵለንትናይ* እውን ባህ ይብሎ። ኣነ ኸኣ ብደሓን እነብር።* 10 ንዓይ* ኣብ መቓብር* ኣይትሓድገንን ኢኻ።+ እሙንካ ጕድጓድ ኪርኢ* እውን ኣይትፈቅድን ኢኻ።+ 11 መገዲ ህይወት ተፍልጠኒ።+ ኣብ ቅድሜኻ* ብዙሕ ሓጐስ ኣሎ፣+ኣብ የማንካ ድማ ንዘለኣለም ደስታ ኣሎ። 59 ኦ ኣምላኸይ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣+ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣዕቍበኒ።+ 2 ካብቶም እከይ ዚገብሩ ኣናግፈኒ፣ካብ ዓመጽቲ* ሰባት ድማ ኣድሕነኒ። 3 እንሆ፡ ኣድብዮም ይጽበዩኒ* ኣለዉ፣+ብርቱዓት የጥቅዑኒ ኣለዉ፣ግናኸ፡ ኦ የሆዋ፡ ስለ ዝዓሎኹ ወይ ስለ ዝሓጣእኩ ኣይኰነን።+ 4 ከይበደልኩስ፡ ጐይዮም ኬጥቅዑ ይዳለዉ። ብጻውዒተይ ተንስእ፡ ርአ እውን። 5 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ንስኻስ ኣምላኽ እስራኤል ኢኻ።+ ቈላሕታኻ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክትገብርሲ፡ ንቓሕ። ካብቶም ሕሱማት ከዳዓት ንሓደ እኳ ኣይትምሓር።+ (ሴላ) 6 ምሸት ምሸት ይምለሱ፣+ከም ኣኽላባት ሕኒን ይብሉ፡*+ ኣብ ከተማ እናዞሩ ኸኣ ይጸናተዉ ኣለዉ።+ 7 ካብ ኣፎም ዚወጽእ* እሞ ርአ፣“መን ዚሰምዕ ኣሎ፧” ይብሉ ኣለዉ እሞ፡+ከናፍሮም ከም ኣስያፍ እየን።+ 8 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ክትስሕቆም፡+ንዅሎም ኣህዛብ ከኣ ከተላግጸሎም ኢኻ።+ 9 ኣምላኽ እምባይ* እዩ እሞ፡+ኦ ብርታዐይ፡ ናባኻ እጥምት ኣለኹ።+ 10 እቲ ብተኣማንነት ዜፍቅረኒ ኣምላኽ ኪረድኣኒ እዩ፣+ኣምላኽ ንጸላእተይ ብዓወት ኬርእየኒ እዩ።+ 11 ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም። ብሓይልኻ ዀለል ኣብሎም፣ኦ የሆዋ፡ ዋልታና፡ ኣውድቆም።+ 12 ብሰንኪ እቲ ዚዛረብዎ መርገምን ምትላልን፡ብሓጢኣት ኣፎም፡ ብቓል ከናፍሮም፡ብትምክሕቶም ይተሓዙ።+ 13 ብቝጥዓኻ ወድኣዮም፣+ከይህልዉስ፡ ወድኣዮም፣ኣምላኽ ኣብ ያእቆብን ክሳብ ወሰናት ምድርን ይገዝእ ከም ዘሎ ኣፍልጦም።+ (ሴላ) 14 ምሸት ይመለሱ፣ከም ኣኽላባት ሕኒን ይበሉ፡* ኣብ ከተማ እናዞሩ ኸኣ ይጸናተዉ።+ 15 ዚብላዕ ደልዮም ኰለል ይበሉ፣+ኣይጽገቡ፡ መሕደሪ እውን ኣይርከቡ። 16 ኣነ ግና ብዛዕባ ብርታዐኻ ኽዝምር እየ፣+ንግሆ ብዛዕባ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ ብሓጐስ ክነግር እየ። ንስኻስ እምባይ፡+ብግዜ ጭንቂ ድማ መህደምየይ ኢኻ።+ 17 ኣምላኽ እምባይ፡ እቲ ብተኣማንነት ዜፍቅረኒ ኣምላኽ እዩ እሞ፡+ኦ ብርታዐይ፡ ንዓኻ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ።+ 96 ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።+ ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ!+ 2 ንየሆዋ ዘምሩሉ፣ ስሙ ወድሱ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ድሕነቱ ኣበስሩ።+ 3 ክብሩ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ዜደንቕ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ንገሩ።+ 4 የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ። ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። 5 ኵሎም ኣማልኽቲ ህዝብታት ከንቱ ኣማልኽቲ እዮም፣+የሆዋ ግና እቲ ንሰማያት ዝገበረ እዩ።+ 6 ክብርን ግርማን ኣብ ቅድሚኡ፡+ብርታዐን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።+ 7 ኣቱም ዓሌታት ህዝብታት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፣ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+ 8 ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ፣+መባእ ሒዝኩም ናብ ኣጸዳቱ ምጹ። 9 ንየሆዋ ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት* ስገዱሉ፣*ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ በሉ! 10 ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ “የሆዋ ነጊሱ!+ ምድሪ* ጸኒዓ እያ፡ ኣይትነቓነቕን* እያ። ንህዝብታት ብቕንዕና ኺፈርዶም* እዩ” በሉ።+ 11 ሰማያት ይተሓጐሱ፡ ምድሪ እውን ባህ ይበላ፣ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን የንጐድጕድ፣+ 12 መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ።+ ሽዑ፡ ኵሉ ኣእዋም ዱር እልል ይበል።+ 13 ንሱ ይመጽእ ኣሎ፡* ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበል። ንዓለም* ብጽድቂ፡+ንህዝብታት ከኣ ብተኣማንነቱ ኺፈርድ እዩ።+ 51 ኦ ኣምላኽ፡ ከምቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ።+ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፡ ኣበሳይ ደምስስ።+ 2 ካብ ስሕተተይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣+ካብ ሓጢኣተይ እውን ኣጽርየኒ።+ 3 ኣነስ ንኣበሳይ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ፣ሓጢኣተይ ከኣ ወትሩ ኣብ ቅድመይ* እዩ።+ 4 ልዕሊ ዅሉ፡* ንዓኻ እየ በዲለ፣+ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኽፉእ ገይረ።+ ስለዚ፡ ብዘረባኻ ጻድቕ ኢኻ፣ብፍርድኻ ድማ ቅኑዕ ኢኻ።+ 5 እንሆ፡ ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ብስሕተት ተሓታቲ እየ፣ኣደይ ከኣ ብሓጢኣት ጠኒሳትኒ።*+ 6 እንሆ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ሓቂ ባህ ይብለካ፣+ንውሽጠይ* ናይ ሓቂ ጥበብ ምሃሮ። 7 ምእንቲ ኽጸርስ፡ ካብ ሓጢኣተይ ብሃዛብ ኣንጽሃኒ፣+ካብ ውርጪ ኽጽዕዱስ፡ ሕጸበኒ።+ 8 እቲ ዝሓምሸሽካዮ ኣዕጽምተይ ምእንቲ ኺሕጐስሲ፡+ደሃይ ደስታን ሓጐስን ኣስምዓኒ። 9 ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ምለስ፣*+ንዅሉ ስሕተተይ እውን ደምስሶ።+ 10 ኦ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣+ጽኑዕ ዝዀነ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ኣንብር።+ 11 ካብ ቅድሜኻ ኣይትደርብየኒ፣መንፈስ ቅዱስካ ድማ ኣይተግድፈኒ። 12 ሓጐስ ድሕነትካ ምለሰለይ፣+ክእዘዘካስ ናይ ፍታው መንፈስ ኣብ ውሽጠይ ኣለዓዕል።* 13 ሓጥኣን ናባኻ ምእንቲ ኺምለሱስ፡መገድታትካ ንኣበስቲ ኽምህሮም እየ።+ 14 ልሳነይ ጽድቅኻ ብሓጐስ ምእንቲ ኽትነግርሲ፡+ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ፡+ ካብ ዕዳ ደም ኣድሕነኒ፣+ 15 ኣፈይ ውዳሰኻ ምእንቲ ኺነግርሲ፡ኦ የሆዋ፡ ከናፍረይ ክፈት።+ 16 መስዋእትስ ኣይትደልን ኢኻ፣—እምበር፡ ምሃብኩ፣+በቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ደስ ኣይብለካን እዩ።+ 17 ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ መስዋእቲ፡ ስቡር መንፈስ እዩ፣ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ።+ 18 ንጽዮን ብጽቡቕ ፍቓድካ ጽቡቕ ግበረላ፣መካበብያ የሩሳሌም ህነጽ። 19 ሽዑ፡ ብመስዋእቲ ጽድቂ፡ብዚሓርር መስዋእትን ብምሉእ መስዋእትን፡ ደስ ኪብለካ እዩ፣ሽዑ፡ ዝራብዓት ኣብ መሰውኢኻ ኬቕርቡልካ እዮም።+ 120 ብጭንቀይ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፡+ንሱ እውን መሊሱለይ።+ 2 ኦ የሆዋ፡ ካብ ሓሰውቲ ኸናፍርንካብ መታለሊት ልሳንን ኣናግፈኒ።* 3 ኣቲ መታለሊት ልሳን፡+ንሱስ ንዓኺ እንታይ ኪገብረኪ፡ ከመይ ገይሩኸ ኪቐጽዓኪ እዩ፧* 4 ብበላሕቲ ፍላጻታት+ ጅግናንብጓህሪ+ ዕንጨይቲ ሮተምን። 5 ኣብ ሜሴክ+ ጓና ዀይነ እነብር ኣለኹ እሞ፡ ወይለይ! ኣብ መንጎ ድንኳናት ቄዳር+ እቕመጥ ኣለኹ። 6 ምስቶም ሰላም ዚጸልኡ፡እምብዛ ነዊሕ ግዜ እቕመጥ ኣለኹ።*+ 7 ኣነ ሰላም እደሊ፣ ክዛረብ ከለኹ ግና፡ንሳቶም ውግእ ይደልዩ። 150 ንያህ ወድስዎ!*+ ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ወድስዎ።+ ኣብ ጠፈር ብርታዐኡ* ወድስዎ።+ 2 ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ወድስዎ።+ ስለቲ ብሉጽ ዕቤቱ ወድስዎ።+ 3 ብደሃይ መለኸት+ ወድስዎ። ብበገናን ብመሰንቆን*+ ወድስዎ። 4 ብኸበሮን+ ብሳዕስዒት ክብን ወድስዎ። ብኣውታርን+ ብሻምብቆን*+ ወድስዎ። 5 ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል ሸሓኒ ወድስዎ። ሽዋሕ ብዚብል ጸናጽል ሸሓኒ+ ወድስዎ። 6 ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ፡ ንያህ ይወድሶ። ንያህ ወድስዎ!*+ 6 ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ኣይትግንሓኒ፣ብነድርኻ ድማ ኣይትኣርመኒ።+ 2 ኦ የሆዋ፡ እደክም ኣለኹ እሞ፡ ሞገስካ* ኣርእየኒ። ኦ የሆዋ፡ ኣዕጽምተይ የንቀጥቅጥ ኣሎ እሞ፡ ኣሕውየኒ።+ 3 እወ፡ ብዙሕ ተረቢሸ እየ፣*+ኦ የሆዋ፡ ክሓትተካ፡—እዝስ ክሳዕ መዓስ እዩ፧+ 4 ኦ የሆዋ፡ ተመለስ እሞ፡ ኣናግፈኒ፣*+ምእንቲ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ።+ 5 ኣብ ሞትሲ ዜልዕለካ* የልቦን፣ኣብ መቓብርከ* መን እዩ ዚውድሰካ፧+ 6 ብእህህታይ ደኺመ፣+ምሉእ ለይቲ ንዓራተይ ብንብዓት አጠስጥሶ* ኣለኹ፣ንመገምሰስየይ ብብኽያት ኣዕለቕሊቐዮ ኣለኹ።+ 7 ዓይነይ ብጓሂ ደኺማ ኣላ፣+ብሰሪ ዅሎም እቶም ዚጻረሩኒ ሓሚቓ ኣላ። 8 የሆዋ ንድምጺ ብኽያተይ ኪሰምዖ እዩ እሞ፡+ኣቱም ገበርቲ እከይ፡ ካባይ ርሓቑ። 9 የሆዋ ንናይ ሞገስ ልማኖይ ኪሰምዖ እዩ፣+የሆዋ ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ። 10 ኵሎም ጸላእተይ ኪሓፍሩን ኪድሃሉን እዮም፣ብሃንደበታዊ ውርደት ንድሕሪት ኪወድቁ እዮም።+ 25 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እየ ዘብል።* 2 ኦ ኣምላኸይ፡ ብኣኻ እእመን* እየ፣+ኣይተሕፍረኒ።+ ጸላእተይ ብኣይ ኣይተሓጐሱ።+ 3 ብኣኻ ተስፋ ዚገብሩስ ብርግጽ ኣይሓፍሩን እዮም፣+እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሓፍሩ እዮም።+ 4 ኦ የሆዋ፡ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣+መገድታትካ ምሃረኒ።+ 5 ንስኻ ኣምላኽ ድሕነተይ ኢኻ እሞ፡ብሓቅኻ ኣመላልሰንን ምሃረንን።+ ו [ዋው] ምሉእ መዓልቲ ብኣኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ። 6 ኦ የሆዋ፡ ነተን ወትሩ እተርእየን*+ምሕረትካን ብተኣማንነት እትገብራ ፍቕርኻን ዘክረን።+ 7 ሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክር። ኦ የሆዋ፡ ስለ ሕያውነትካ* ኢልካ፡+በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ዘክረኒ።+ 8 የሆዋ ሕያዋይን* ቅኑዕን እዩ።+ ስለዚ እዩ ንሓጥኣን ዚነብሩሉ መገዲ ዚምህሮም።+ 9 ንዓቃላት* ብቕኑዕ* ኪመርሖም፡+ንዓቃላት ከኣ መገዱ ኺምህሮም እዩ።+ 10 ነቶም ኪዳኑን+ መዘኻኸሪታቱን+ ዚሕልዉስ፡ኵለን መገድታት የሆዋ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን እየን። 11 ኦ የሆዋ፡ ስሕተተይ ዓብዪ እኳ እንተ ዀነ፡ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ።+ 12 ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧+ ንዕኡ እታ ዚሓርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ።+ 13 ንሱ* ጽቡቕ ይረክብ፣+ዘርኡ እውን ንምድሪ ይርስተያ።+ 14 የሆዋ ምስቶም ዚፈርህዎ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኣለዎ፣+ንሱ ድማ ኪዳኑ የፍልጦም።+ 15 ንኣእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽአን እዩ እሞ፡+ኣዒንተይ ወትሩ ናብ የሆዋ እየን።+ 16 ኣነ በይነይን ረዳኢ ኣልቦን እየ እሞ፡ገጽካ ናባይ ምለስ፡ ሞገስካ ኸኣ ኣርእየኒ። 17 ጭንቂ ልበይ በዚሑ ኣሎ፣+ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ። 18 ጸበባይን ሽግረይን ርአ፣+ኵሉ ሓጢኣተይ ከኣ ሕደገለይ።+ 19 ጸላእተይ ክንደይ ከም ዝበዝሑ፡ጽልኦም ድማ ክሳዕ ክንደይ ዓማጺ ምዃኑ ርአ። 20 ንህይወተይ* ሓልዋ፡ ኣድሕነኒ እውን።+ ኣባኻ እምዕቈብ ኣለኹ እሞ፡ ኣይተሕፍረኒ። 21 ተስፋይ ኣባኻ እዩ እሞ፡+ንጽህናን ቅንዕናን ይሓልዋኒ።+ 22 ኦ ኣምላኽ፡ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጭንቁ ኣናግፎ።* 140 ኦ የሆዋ፡ ካብ እኩያት ሰባት ኣናግፈኒ፣ካብ ዓመጽቲ ሰባት ኣዕቍበኒ፣+ 2 ንሳቶምሲ ብልቦም ክፉእ ይሓስቡ፡+ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ግጭት የላዕሉ። 3 ልሳኖም ከም ናይ ተመን ይስሕሉ፣+ብድሕሪ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።+ (ሴላ) 4 ኦ የሆዋ፡ ካብ ኣእዳው እኩያት ኣዕቍበኒ፣+ካብቶም ኪሕንኵሉኒ ዚሓስቡዓመጽቲ ሓልወኒ። 5 ዕቡያት መጻወድያ ይሓብኡለይ፣ብኣግማድ ገይሮም ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ይዝርግሑ።+ መፈንጠራታት ከኣ ይገብሩለይ።+ (ሴላ) 6 ንየሆዋ፡ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። ኦ የሆዋ፡ ንልማኖይ ጽን በሎ” እብሎ እየ።+ 7 ኦ የሆዋ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ፡ ኣታ ብርቱዕ መድሓንየይ፡ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ።+ 8 ኦ የሆዋ፡ ንእኩይ ከም ትምኒቱ ኣይትሃቦ። ልዕል ከይብሉስ፡ ውዲቶም ኪሰልጥ ኣይትሕደግ።+ (ሴላ) 9 ኣራእስ እቶም ዚኸብቡኒበቲ ብኸናፍሮም ዚዝረብ እከይ ይጐልበብ።+ 10 ጓህሪ ኣብ ልዕሊኦም ይዝነም።+ ዳግም ከይትንስኡስ፡ናብ ሓዊ፡ ናብ ዓሚቝ ጕድጓድ* ይደርበዩ።+ 11 ሓማዪ ኣብ ምድሪ ቦታ ኣይርከብ።+ ንሰብ ዓመጻ ኸኣ ክፉእ ይስዓቦምን የጥፍኣዮምን። 12 የሆዋ ንትሑታት ከም ዚጣበቐሎም፡ንድኻታት ድማ ፍትሒ ኸም ዚህቦም እፈልጥ እየ።+ 13 ብርግጽ፡ ጻድቃን ስምካ ኼመስግኑ እዮም፣ቅኑዓት ኣብ ቅድሚ ገጽካ* ኪቕመጡ እዮም።+ 33 ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ እልል በሉ።+ ካብ ቅኑዓት ውዳሰ ይግብኦ እዩ። 2 ንየሆዋ ብመሰንቆ* ኣመስግንዎ፣ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ውዳሰ ዘምሩሉ።* 3 ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣+እልል እናበልኩም፡ ጽቡቕ ጌርኩም በገና ውቕዑሉ። 4 ቃል የሆዋስ ቅኑዕ እዩ፣+ኵሉ ተግባሩ እውን እሙን እዩ። 5 ንሱ ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ።+ ምድሪ በቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ መሊኣ እያ።+ 6 ሰማያት ብቓል የሆዋ፡ኣባታቶም ዘለዉ ዅሎም* እውን ብመንፈስ* ኣፉ ተገይሮም።+ 7 ንማያት ባሕሪ ኸም ግድብ ይእክቦ፣+ንቡሕቡሕታ ማያት ኣብ ማዕከን የንብሮ። 8 ብዘላ ምድሪ ንየሆዋ ትፍርሃዮ።+ ነበርቲ እታ ፍርያም ምድሪ የኽብርዎ። 9 ንሱ ምስ ተዛረበስ ኰይኑ፣+ንሱ ምስ ኣዘዘ ድማ ቈይሙ።+ 10 የሆዋ ንተንኰል* ኣህዛብ ኣፍሺልዎ፣+ንውጥናት* ህዝብታት ኣተዓናቒፍዎ።+ 11 ውሳነታት* የሆዋ ግና ንዘለኣለም ይቐውም፣+ሓሳባት ልቡ እውን ንውሉድ ወለዶ እዩ። 12 የሆዋ ዝኣምላኹ፡ርስቱ ገይሩ ድማ ዝሓረዮ ህዝቢ ሕጉስ እዩ።+ 13 የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣንቈልቊሉ ይምልከት፣ንዅሎም ደቂ ሰብ ይርእዮም።+ 14 ካብ መንበሪኡ፡ንነበርቲ ምድሪ ይጥምቶም። 15 እቲ ልቢ ዅላቶም ዚገብር ንሱ እዩ፣ኵሉ ግብሮም ከኣ ይምርምር።+ 16 ብብዝሒ ሰራዊት ዚድሕን ንጉስ የልቦን፣+ጅግና ብዓብዪ ሓይሉ ኣይድሕንን እዩ።+ 17 ፈረስ ናይ ሓሶት ተስፋ ድሕነት* እዩ፣+እቲ ዓብዪ ሓይሉ መምለጢ ኣይከውንን። 18 እንሆ፡ ዓይኒ የሆዋ ንዚፈርህዎ፡ነቶም ብተኣማንነት ንዜርእዮ ፍቕሩ ዚጽበዩ ትሕልዎም፣+ 19 ካብ ሞት ተናግፎም፡*ብግዜ ጥሜት ድማ ብህይወት ተንብሮም።+ 20 ንሕና ንየሆዋ ኢና እንጽበዮ።* ረዳኢናን ዋልታናን ንሱ እዩ።+ 21 ብቕዱስ ስሙ ንእመን ኢና እሞ፡ልብና ብእኡ ይሕጐስ።+ 22 ኦ የሆዋ፡ ክንጽበየካ ኸለና፡+እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን።+ 54 ኦ ኣምላኽ፡ ብስምካ ኣድሕነኒ፣+ብሓይልኻ እውን ተጣበቐለይ።*+ 2 ኦ ኣምላኽ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ። 3 ከመይሲ፡ ካልኦት ይትንስኡኒ፡ጨካናት ድማ ንህይወተይ* ይደልይዋ ኣለዉ።+ ንኣምላኽ ግዱ የብሎምን።*+ (ሴላ) 4 እንሆ፡ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣+የሆዋ ምስቶም ዚድግፉኒ* እዩ። 5 ንጸላእተይ ከም እከዮም ኪፈድዮም እዩ፣+ብተኣማንነትካ መወዳእታ ግበረሎም።*+ 6 ብፍታው ክስውኣልካ እየ።+ ኦ የሆዋ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ንስምካ ኽውድሶ እየ።+ 7 ንሱስ ካብ ኵሉ ጭንቂ የድሕነኒ እዩ እሞ፡+ንጸላእተይ ብዓወት ክርእዮም እየ።+ 10 ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ኣብ ርሑቕ ደው እትብል፧ ስለምንታይከ ብግዜ ጭንቂ እትሕባእ፧+ 2 እኩይ ንረዳኢ ኣልቦ ብትዕቢት ይሰጕጎ፣+በቲ ዝሓሰቦ ተንኰል ግና ይተሓዝ።+ 3 እኩይሲ ብህርፋኑ* ይምካሕ፡+ንስሱዕ እውን ይምርቖ፣*נ [ኑን] ንየሆዋ ይንዕቆ። 4 ብትዕቢቱ፡ እኩይ ኣይምርምርን፣ኵሉ ሓሳባቱ፡ “ኣምላኽ የልቦን” እዩ።+ 5 መገድታቱ ይብልጽግ፣+ንፍርድታትካ ግና ኣይርድኦን፣+ንዅሎም ተጻረርቱ የላግጸሎም።* 6 ብልቡ፡ “ከቶ ኣይክናወጽን* እየ፣ንውሉድ ወለዶመዓት ከቶ ኣይክርእን እየ” ይብል።+ 7 ኣፉ መርገምን ሓሶትን ታህዲድን ዝመልአ እዩ፣+ኣብ ትሕቲ ልሳኑ ሽግርን ጕድኣትን ኣሎ።+ 8 ኣብ ጥቓ ሰፈር ኣድብዩ ይጸንሕ፣ካብ መሕብኢኡ ንንጹህ ይቐትሎ።+ ע [ዓይን] ኣዒንቱ ንመከረኛ ይጥምታኦ።+ 9 ኣብ ሰፈሩ* ኸም ዘሎ ኣንበሳ፡ ኣብ መሕቢኢኡ ዀይኑ የድቢ።+ ንረዳኢ ኣልቦ ኺሕዞ የድቢ። መርበቡ ስሒቡ ንረዳኢ ኣልቦ ይሕዞ።+ 10 እቲ ግዳይ ይጭፍለቕን ይወርድን፣እቲ መከረኛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ* ይወድቕ። 11 ንሱ ብልቡ፡ “ኣምላኽ ረሲዑ፡+ገጹ ኸዊሉ፡ከቶ ኣይርእን እዩ” ይብል።+ 12 ኦ የሆዋ፡ ተንስእ።+ ኦ ኣምላኽ፡ ኢድካ ኣልዕል።+ ረዳኢ ንዘይብሎም ኣይትረስዓዮም።+ 13 ስለምንታይ እኩይ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፧ ብልቡ፡ “ተሓታቲ ኣይትገብረንን ኢኻ” ይብሎ። 14 ንስኻ ግና ሽግርን ጭንቅን ትርኢ። ነዚ ትጥምቶ እሞ ኣብ ኢድካ ተእትዎ።+ መከረኛ ናባኻ የብል፣+ረዳኢ ዘኽታም* ንስኻ ኢኻ።+ 15 ንእከዩ ምስ ደለኻዮምእንቲ ኸይትረኽቦሲ፡ቅልጽም ክፉእን እኩይን ስበር።+ 16 የሆዋ ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ።+ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ጠፊኦም እዮም።+ 17 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ልማኖ ዓቃላት* ትሰምዕ።+ ልቦም ተጽንዖ፡+ ንዓታቶም ከኣ ተቕልበሎም።+ 18 ምድራዊ መዋቲ ሰብ ከየፍርሆምሲ፡+ንዘኽታምን ንጭፍሉቕን ፍትሒ ተውጽኣሎም።+ 76 ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፣+ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ።+ 2 መጽለሊኡ ኣብ ሳሌም፡+መንበሪኡ እውን ኣብ ጽዮን እዩ።+ 3 ኣብኡ ኸኣ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት ቀስቲ፡ዋልታን ሰይፍን ኣጽዋር ውግእን ሰቢሩ።+ (ሴላ) 4 ንስኻ ደሚቕካ በሪህካ፣*እንስሳ ሃድን ካብ ዝመልኦ ኣኽራን ዚበልጽ ግርማ ኣሎካ። 5 ተባዓት ልቢ ተዘሚቶም።+ ድቃሶም ደቂሶም፣ኵሎም ጀጋኑ ረዳኢ ኣልቦ ዀይኖም።+ 6 ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ብመግናሕትኻብዓል ሰረገላን ፈረስን ከቢድ ድቃስ ደቂሶም።+ 7 ንስኻ በይንኻ ኢኻ እተፍርህ።+ ነቲ ብርቱዕ ቍጥዓኻኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+ 8 ካብ ሰማይ ፍርዲ ኣስሚዕካ፣+ምድሪ ኸኣ ፈሪሃ፡ ስቕ እውን ኢላ።+ 9 እወ፡ ኣምላኽ ፍርዱ ኺፍጽም፡ንዅሎም ዓቃላት* ምድሪ ኼድሕኖም ምስ ተንስአ፡ ከምኡ ዀይና።+ (ሴላ) 10 ነድሪ ሰብሲ ንውዳሰኻ ኪኸውን እዩ፣+በቶም ተረፍ ነድሮም ድማ ገዛእ ርእስኻ ኽትስልም ኢኻ። 11 ንየሆዋ ኣምላኽኩም ተመባጽዑሉ፡ ፈጽምዎ ኸኣ፣+ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም፡ ህያባቶም ብፍርሃት የቕርቡ።+ 12 ንሱ ንዅርዓት* መራሕቲ ኼትሕቶ እዩ፣ንነገስታት ምድሪ የፍርሆም እዩ። 121 ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን አልዕል ኣለኹ።+ ረድኤተይ ካበይ እዩ ዚመጽእ፧ 2 ረድኤተይሲ ኻብ የሆዋ፡+ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እዩ ዚመጽእ። 3 ንሱ እግርኻ ኼንደልህጽ* ከቶ ኣይኪፈቅድን እዩ።+ እቲ ዚሕልወካ ኸቶ ኣይታኸስን እዩ። 4 እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ፡ከቶ ኣይታኸስን፡ ኣይድቅስን እውን እዩ።+ 5 የሆዋ ይሕልወካ ኣሎ። የሆዋ ኣብ የማንካ+ ጽላልካ እዩ።+ 6 ጸሓይ ብመዓልቲ፡ወርሒ እውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።+ 7 የሆዋ ኻብ ኵሉ ጕድኣት ኪሕልወካ እዩ።+ ንህይወትካ* ኺሕልዋ እዩ።+ 8 የሆዋ ኻብ ሕጂ ንዘለኣለም፡ኣብ እትገብሮ ዅሉ* ኺሕልወካ እዩ። 14 ዓሻ ብልቡ፡“የሆዋ የሎን” ይብል።+ ተግባሮም ብልሹው፡ ግብሮም ከኣ ፍንፉን እዩ፣ጽቡቕ ዚገብር የልቦን።+ 2 የሆዋ ግና፡ ልቦና ዘለዎ፡ ንየሆዋ እውን ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፡ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።+ 3 ኵላቶም ኣልጊሶም፡+ኵላቶም ብሓደ ተበላሽዮም እዮም። ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፣ሓደ እኳ የልቦን። 4 ገበርቲ ኽፉእዶ ኣይርድኡን እዮም፧ ንህዝበይ ከምቲ እንጌራ ዚብላዕ ገይሮም ይበልዕዎ። ናብ የሆዋ ኣይምህለሉን። 5 ግናኸ፡ የሆዋ ምስ ወለዶ ጻድቕ እዩ እሞ፡ብዓብዪ ሽበራ ኺምልኡ እዮም።+ 6 ኣቱም ገበርቲ ኽፉእ፡ ንውጥናት ትሑት ከተፍሽሉ ትፍትኑ፡የሆዋ ግና ዕቝባኡ እዩ።+ 7 ኣየ፡ ድሕነት እስራኤል ካብ ጽዮን እንተ ዚመጽእ!+ የሆዋ ንምሩኻት ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፡ያእቆብ ይተሓጐስ፡ እስራኤል እውን ባህ ይበሎ። 65 ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ጽዮን ውዳሰ ይጽበየካ ኣሎ፣+መብጽዓታትና ኽንፍጽመልካ ኢና።+ 2 ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ* ናባኻ ኺመጽእ እዩ።+ 3 ኣበሳይ ዓብሊሉኒ፣+ንስኻ ግና ንጥሕሰትና ኸዲንካዮ።+ 4 እቲ ኣብ ኣጸዳትካ ኺነብርእትሓርዮን እተቕርቦን ሕጉስ እዩ።+ በቲ ኣብ ቤትካ፡ኣብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስካ+ እንረኽቦ ጽቡቕ ነገር ክንዓግብ ኢና።+ 5 ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡ብዜፍርህ ግብርታት ጽድቂ ኽትምልሰልና ኢኻ፣+ንዅሉ ወሰናት ምድርንነቶም ኣብ ርሑቕ ስግር ባሕሪ ዘለዉን እምንቶኦም ኢኻ።+ 6 ንኣኽራን ብሓይልኻ ኣጽኒዕካዮ፣*ብርታዐ ድማ ተኸዲንካ ኣለኻ።*+ 7 ንዚናወጽ ባሕርታት፡+ንዚጻፋዕ ማዕበላትን ንህውከት ኣህዛብን ተህድኦ።*+ 8 ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ ብትእምርትታትካ ኺድነቑ እዮም፣+ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳብ ምዕራብ ጸሓይ ዘለዉ እልል ከተብሎም ኢኻ። 9 ንምድሪ ትከናኸና እሞ፡ብብዝሒ እተፍርን* ኣዝያ ሃብታምን ትገብራ።+ ካብ ኣምላኽ ዚውሕዝ ርባ ብማይ ዝመልአ እዩ፣ንምድሪ በዚ ኸምዚ ኣዳሊኻያ ኢኻ እሞ፡እኽሊ ተዳልወሎም።+ 10 ንነግሕታታ ማይ ተጽግቦ፡ ንእተሓርሰ ሓመዳ* ትምድምዶ። ብዝናም ተለስልሳ፣ ንብቋልያኣ ትባርኾ።+ 11 ንዓመት ብሕያውነትካ* ኣኽሊል ትደፍኣላ፣ኣሰርካ ብበረኸት ይጅርብብ።*+ 12 ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪታት ይዕምር፣*+ኵድዅዶታት ድማ ሓጐስ ይለብስ።+ 13 መጓሰዪታት ብመጓሰ ይኽደን፣ስንጭሮታት* ከኣ እኽሊ ይለብስ።+ ጭድርታ ዓወት ይጭድሩ፡ እወ፡ ይዝምሩ።+ 145 ኦ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ልዕል ከብለካ፡+ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ስምካ ኽውድስ እየ።+ 2 ምሉእ መዓልቲ ኽውድሰካ፡+ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ስምካ ኽውድስ እየ።+ 3 የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ፣+ዕቤቱ ዘይምርመር* እዩ።+ 4 ካብ ወለዶ ንወለዶ ግብርታትካ ኺውድሱ፡ብዛዕባ ግብርታት ሓይልኻ ኺነግሩ እዮም።+ 5 ብዛዕባ ኽቡር ግርማ ዕቤትካ ኺዛረቡ እዮም፣+ኣነ ድማ ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታትካ ኸስተንትን እየ። 6 ብዛዕባ እቲ ዜፍርህ ተግባራትካ* ኺዛረቡ እዮም፣ኣነ ኸኣ ዕቤትካ ኽነግር እየ። 7 ብዛዕባ ብዝሒ ሕያውነትካ* ዘኪሮም ኬውርዩ፡+ስለቲ ጽድቅኻ እውን እልል ኪብሉ እዮም።+ 8 የሆዋ ርሕሩሕን* መሓርን፡+ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ።+ 9 የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ* እዩ፣+ምሕረቱ ድማ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ይርአ። 10 ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ግብርታትካ ኼሞግሰካ እዩ፣+እሙናትካ ኸኣ ኪውድሱኻ እዮም።+ 11 ክብሪ ንግስናኻ ኺነግሩ፡+ብዛዕባ ሓይልኻ እውን ኪዛረቡ እዮም፣+ 12 ግብርታት ሓይልኻን+ክቡር ግርማ ንግስነትካን ድማ ንሰብ ኬፍልጡ እዮም።+ 13 ንግስናኻ ናይ ዘለኣለም ንግስና እዩ፣ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+ 14 የሆዋ ንዅሎም ዚወድቁ ይድግፎም፡+ንዅሎም ዝደነኑ ኸኣ የተንስኦም።+ 15 ኵለን ኣዒንቲ ብተስፋ ናባኻ ይጥምታ፣ንስኻ እውን ብግዜኡ ምግቦም ትህቦም።+ 16 ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ተዕግብ።+ 17 የሆዋ ብዅሉ መገድታቱ ጻድቕ፡+ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ድማ እሙን እዩ።+ 18 የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡+ንዅሎም እቶም ብሓቂ* ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ።+ 19 ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡+ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን።+ 20 የሆዋ ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎ ይሕልዎም፣+ንዅሎም እኩያት ግና ኬጥፍኦም እዩ።+ 21 ኣፈይ ውዳሰ የሆዋ ኺዛረብ እዩ፣+ኵሉ ህያው* ንቕዱስ ስሙ ንዘለኣለመ ኣለም ይወድሶ።+ 66 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ ንኣምላኽ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።+ 2 ነቲ ኽቡር ስሙ ዘምሩሉ።* ክቡር ውዳሰ ሃብዎ።+ 3 ንኣምላኽ ከምዚ በልዎ፦ “ግብርታትካ ኽንደይ ዜፍርህ እዩ!+ ብምኽንያት እቲ ዓብዪ ሓይልኻ፡ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ሸቘጥቈጥ ኪብሉ እዮም።+ 4 ኵሎም ህዝቢ ምድሪ ኺሰግዱልካ እዮም፣+ውዳሰ እውን ኪዝምሩልካ እዮም፣ንስምካ ውዳሰ ኺዝምሩ እዮም።”+ (ሴላ) 5 ንዑ፡ ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርኣዩ። ንደቂ ሰብ ዝገበረሎም ግብርታት ዜፍርህ እዩ።+ 6 ንባሕሪ ናብ ንቑጽ ምድሪ ለዊጥዎ፣+ንፈለግ ብእግሮም ሰጊሮምዎ።+ ኣብኡ ብእኡ ተሓጒስና።+ 7 ብሓይሉ ንዘለኣለም ይገዝእ።+ ኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይቋመታ።+ እቶም ነቓጻት ርእሶም ልዕል ኣየብሉ።+ (ሴላ) 8 ኣቱም ህዝቢ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ።+ ድምጺ ውዳሰኡ ኸኣ ይሰማዕ። 9 ንሱ ብህይወት የንብረና፡*+ኣእጋርና ኺዕንቀፍ* እውን ኣይፈቅድን እዩ።+ 10 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻስ መርሚርካና ኢኻ፣+ከምቲ ብሩር ዚጸሪ ድማ ኣጽሪኻና። 11 ናብ መርበብ ሃድን ኣእቲኻና፣ኣብ ሕቘና ኸኣ ዚደቍስ ጾር ኣንቢርካ። 12 መዋቲ ሰብ ብልዕሌና* ተወጢሑ ኺሓልፍ ፈቒድካ፣ብሓውን ብማይን ሓሊፍና፣ናብ ቦታ ራህዋ ኸኣ ኣምጺእካና። 13 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ሒዘ ናብ ቤትካ ኽመጽእ እየ፣+መብጽዓታተይ ክፍጽመልካ እየ፣+ 14 እዚ ድማ ከናፍረይ እተመባጽዓኦ፡+ብግዜ ጭንቂ እውን ኣፈይ እተዛረበቶ እዩ ነይሩ። 15 ዕጣን ምስ ዚዀኑ ደዓውል፡ዚሓርር መስዋእቲ ገይረ ስቡሓት ክስውእ እየ። ምስ ድቤላታት ከኣ ኣብዑር ክስውእ እየ። (ሴላ) 16 ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርህዎ፡ ንዑ ስምዑ፣ኣነ ድማ እቲ ዝገበረለይ* ክነግረኩም እየ።+ 17 ብኣፈይ ጸዊዐዮ፣ብልሳነይ እውን ኣሞጊሰዮ። 18 ኣብ ልበይ ገለ ኽፉእ እንተ ዝሕዝ፡የሆዋ ኣይምሰምዓንን ነይሩ።+ 19 ኣምላኽ ግና ሰሚዑኒ እዩ፣+ንጸሎተይ ከኣ ኣቕሊቡሉ እዩ።+ 20 እቲ ንጸሎተይ ዘይነጸጎ፡ብተኣማንነት ዜርእየኒ ፍቕሩ እውን ካባይ ዘየርሓቐ ኣምላኽ ይወደስ። 43 ኦ ኣምላኽ፡ ፍረደለይ፣+ምስ ዘይእሙን ህዝቢ ጕዳየይ ተማጐተለይ።+ ካብ መታለልን ዓማጽን ሰብ ኣናግፈኒ። 2 ንስኻስ ኣምላኸይ፡ ዕርደይ ኢኻ።+ ስለምንታይ ደርቢኻኒ፧ ስለምንታይከ ብሰንኪ ጭቈና ጸላእየይ ጕህየ ዝመላለስ፧+ 3 ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ።+ ንሳተን ይምርሓኒ፣+ናብ ቅዱስ ከረንካን ናብ ዓብዪ ማሕደርካን ይውሰዳኒ።+ 4 ሽዑ፡ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡+ናብ ኣምላኽ፡ ናብቲ ብሉጽ ሓጐሰይ ክመጽእ እየ። ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኸየ፡ ብመሰንቆ* ኽውድሰካ እየ።+ 5 ነፍሰየ፡* ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧ ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧ ዓብዪ መድሓንየይን ኣምላኸይን ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+ 126 የሆዋ ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም፡+ንሓልም ዘለና መሲሉና ነይሩ። 2 ሽዑ፡ ኣፍና ብሰሓቕ፡ልሳንና ድማ ብእልልታ መሊኡ።+ ሽዑ፡ ኣህዛብ፡“የሆዋ ንዓታቶም ዓብዪ ነገር ገይሩሎም” ተባሃሂሎም።+ 3 የሆዋ ዓብዪ ነገር ገይሩልና፣+ንሕና ኸኣ ተሓጒስና። 4 ኦ የሆዋ፡ ከም ወሓይዝ ነጌብ* ጌርካንምሩኻትና ምለሶም። 5 እቶም ብንብዓት ዚዘርኡ፡ብእልልታ ኺዓጽዱ እዮም። 6 እቲ ኸረጺት ዘርኢ ተሰኪሙብብኽያት ዚወፍር፡እንዳእቱ ተሰኪሙብርግጽ ብእልልታ ኺምለስ እዩ።+ 82 ኣምላኽ ኣብ መለኮታዊ ኣኼባ* ይቐውም፣+ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ* ኸምዚ ኢሉ ይፈርድ፦+ 2 “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ብዓመጻ እትፈርዱ፡+ንእኩያትሲ እተዳልዉ፧+ (ሴላ) 3 ንትሑትን ንዘኽታምን* ተጣበቑሎም።*+ ንረዳኢ ኣልቦን ንነዳይን ፍትሒ ኣውጽኡሎም።+ 4 ንትሑትን ንድኻን ኣናግፍዎም፣ካብ ኢድ እኩያት ኣድሕንዎም።” 5 ኣይፈልጡን፡ ኣይርድኡን እውን እዮም፣+ኣብ ጸልማት ይመላለሱ ኣለዉ፣ኵሉ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ ኣሎ።+ 6 “ኣነ፡ ‘ኣማልኽቲ* ኢኹም፣+ኵላትኩም ደቂ እቲ ልዑል ኢኹም። 7 ግናኸ፡ ከም ሰብ ክትሞቱ፡+ከም ዝዀነ መስፍን እውን ክትወድቁ ኢኹም’ ኢለ።”+ 8 ኦ ኣምላኽ፡ ኵሎም ኣህዛብ ናትካ እዮም እሞ፡ተንስእ፡ ንምድሪ ፍረዳ።+ 104 ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ።+ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንስኻ ኣዚኻ ዓብዪ ኢኻ።+ ክብርን ግርማን ዝለበስካ ኢኻ።+ 2 ንብርሃን ከም ክዳን እተጐልበብካ ኢኻ፣+ንሰማያት ከም ዓለባ ድንኳን ትዝርግሖ።+ 3 ንሱ፡ ኣግማል ደርብታቱ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ማያት* የንብር፣+ንደበናታት ሰረገላኡ ይገብሮ፣+ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ይጕዓዝ።+ 4 መላእኽቱ መናፍስቲ፡ኣገልገልቱ እውን ዚባላዕ ሓዊ ይገብር።+ 5 ንምድሪ ኣብ መሰረታታ ሰረታ፣+ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን* እያ።+ 6 ከም ብልብሲ ብመዓሙቝ ማያት ከደንካያ።+ ማያት ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ቈሙ። 7 ብመግናሕትኻ ሃደሙ፣+ብደሃይ ነጕድኻ ብስምባድ ጐየዩ፣ 8 እወ፡ ናብቲ ዝሰረትካሎም ቦታ ኸዱ፣ኣኽራን ክብ በሉ፡+ ስንጭሮታት ድማ ለጠቕ በሉ። 9 ንምድሪ ኸም ብሓድሽ ከይከድንዋስ፡ዘይሓልፍዎ ደረት ገበርካሎም።+ 10 ንሱ ናብ ስንጭሮታት፡* ዓይኒ ማያት ሰደደ፣ኣብ መንጎ ኣኽራን ከኣ ይውሕዝ። 11 ንዅሉ እንስሳ መሮር የስትዮ፣ኣእዱግ በረኻ ይረውዩሉ። 12 ኣብ ልዕሊኡ ኣዕዋፍ ሰማይ ይሰፍራ፣ካብ መንጎ እቲ ልሙዕ ጨናፍር ከኣ ይዝምራ። 13 ንሱ ንኣኽራን ካብ ደርብታቱ የስትዮ።+ ምድሪ ብፍረ ተግባራትካ ትጸግብ።+ 14 ካብ ምድሪ ምግቢ ኼብቍልሲ፡ሳዕሪ ንኸብቲ፡ኣትክልቲ ድማ ንጥቕሚ ሰብ የብቍል፣+ 15 ወይኒ ኸኣ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፡+ዘይቲ ድማ ንገጹ ኼብርሆ፡እንጌራ እውን ንልቢ መዋቲ ሰብ ኬጽንዖ ኢሉ ኸምኡ ይገብር።+ 16 ኣእዋም የሆዋንእቲ ንሱ ዝተኸሎ ቄድሮሳት ሊባኖስን ይጸግብ፣ 17 ኣብኡ ኣዕዋፍ ሰፈረን ይሰርሓ። ቤት ራዛ+ ኣብ ኣእዋም ጽሕዲ* እዩ። 18 ነዋሕቲ ኣኽራን ንወይጠላት እዩ፣+ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሐታት እዩ።+ 19 ወርሒ ንምልክት ምዱብ ግዜያት ገበራ፣ጸሓይ ከኣ መዓስ ከም እትዓርብ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ።+ 20 ንስኻ ጸልማት ተምጽእ፡ ለይቲ እውን ይኸውን፣+ሽዑ፡ ኵሎም እንስሳታት ዱር ይዛወሩ። 21 ሽደናት ኣናብስ ግዳይ ደልዮም ይጓዝሙ፣+ካብ ኣምላኽ ድማ ምግቦም ይደልዩ።+ 22 ጸሓይ ምስ በረቐት፡ይምለሱ፡ ኣብ መሕብኢኦም እውን ይድቅሱ። 23 ሰብ ናብ ዕዮኡ ይኸይድ፣ክሳዕ ምሸት ድማ ይሽቅል። 24 ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+ ንዅሉ ብጥበብ ጌርካዮ።+ ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ። 25 ቍጽሪ ዘይብሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ህያዋን ዝመልእዎዓብይን ሰፊሕን ባሕሪ እንሆ።+ 26 ኣብኡ መራኽብ ይጕዓዛ፣እቲ ዝገበርካዮ ሌዋታን*+ ከኣ ኣብኡ ይጻወት። 27 ምግቦም በብግዜኡ ኽትህቦምሲ፡ኵሎም ንዓኻ ይጽበዩ።+ 28 እትህቦም ዘበለ ይእክቡ።+ ኢድካ ምስ ከፈትካ፡ ብጽቡቕ ነገር ይጸግቡ።+ 29 ገጽካ ምስ ሓባእካ፡ ይርበሹ። መንፈሶም እንተ ወሲድካ፡ ይሞቱ፡ ናብ ሓመድ እውን ይምለሱ።+ 30 መንፈስካ እንተ ልኢኽካ፡ ይፍጠሩ፣+ንገጽ ምድሪ ድማ ትሕድሶ። 31 ክብሪ የሆዋ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። የሆዋ ብግብርታቱ ኺሕጐስ እዩ።+ 32 ንምድሪ ይጥምታ፡ ንሳ ድማ ራዕራዕ ትብል፣ንኣኽራን ይትንክዮም፡ ንሳቶም ከኣ ይተክኩ።+ 33 ምሉእ ህይወተይ፡ ንየሆዋ ኽዝምረሉ እየ፣+ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡ ንኣምላኸይ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።+ 34 ሓሳባተይ ንዕኡ ባህ የብሎ።* ብየሆዋ ኽሕጐስ እየ። 35 ሓጥኣን ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም፣እኩያት እውን ኣይኪህልዉን እዮም።+ ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ። ንያህ ወድስዎ!* 9 ኦ የሆዋ፡ ብዅሉ ልበይ ክውድሰካ፡ብዛዕባ ዅሉ ዜደንቕ ግብርታትካ ኽነግር እየ።+ 2 ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፡ኦ ልዑል፡ ንስምካ ውዳሰ ኽዝምር* እየ።+ 3 ጸላእተይ ምስ ኣድሓርሓሩ፡+ኣብ ቅድሜኻ ኺዕንቀፉን ኪጠፍኡን እዮም። 4 ንስኻስ ንፍትሓዊ ጕዳየይ ትድግፍ፡ብጽድቂ እናፈረድካ ኸኣ ኣብ ዝፋን ትቕመጥ ኢኻ።+ 5 ንኣህዛብ ገኒሕካዮም፡+ ንእኩያት ከኣ ኣጥፊእካዮም፡ስሞም ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ደምሲስካዮ ኢኻ። 6 ጸላእቲ ንዘለኣለም ጠፊኦም፣ከተማታቶም ተማሕየን፡ኵሉ መዘከርታኦም እውን ኪጠፍእ እዩ።+ 7 የሆዋ ግና ንዘለኣለም ኣብ ዝፋን ይቕመጥ፣+ምእንቲ ፍትሒ ድማ ዝፋኑ ኣጽኒዑ ኣሎ።+ 8 ንሱ ንዓለም* ብጽድቂ ኺፈርዳ፡+ንኣህዛብ ከኣ ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ።+ 9 የሆዋ ንጭቍናት እምባ፡*+ብግዜ ጭንቂ እምባ ይኸውን እዩ።+ 10 ስምካ ዚፈልጡ ብኣኻ ኺእመኑ* እዮም፣+ኦ የሆዋ፡ ንዚደልዩኻ ኣይትሓድጎምን ኢኻ።+ 11 ነቲ ኣብ ጽዮን ዚቕመጥ የሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ፣ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ።+ 12 እቲ ሕነ ደሞም ዚፈድስ ይዝክሮም፡+ኣውያት እቶም ውጹዓት ከኣ ኣይርስዕን እዩ።+ 13 ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየኒ፣ በቶም ዚጸልኡኒ ዚወርደኒ ጸበባ ርአ፣ንስኻ ኻብ ኣፍ ደገታት ሞት ተተንስኣኒ፣+ 14 እወ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ጓል ጽዮን ዚንኣድ ተግባራትካ ኽነግር፡+ብግብርታት ድሕነትካ ኸኣ ክሕጐስ ተተንስኣኒ።+ 15 ኣህዛብ ናብታ ዝገበርዋ ጕድጓድ ኣትዮም ኣለዉ፣እግሮም ድማ በታ ዝሓብእዋ መርበብ ተታሒዛ ኣላ።+ 16 የሆዋ በቲ ዚፍጽሞ ፍርዲ ይፍለጥ እዩ።+ እኩይ ብግብሪ ኣእዳዉ ተፈንጢሩ ኣሎ።+ ሂጋዮን።* (ሴላ) 17 እኩይ ናብ መቓብር* የድሓርሕር፣ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅሎም ኣህዛብ እውን ከምኡ። 18 ድኻ ግና ወትሩ ኣይኪርሳዕን፡+ተስፋ ዓቃል* ከኣ ኣይኪጠፍእን እዩ።+ 19 ኦ የሆዋ፡ ተንስእ! መዋቲ ሰብሲ ኣይስዓር። ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ።+ 20 ኦ የሆዋ፡ ብፍርሂ ውቕዓዮም፣+ኣህዛብሲ መወትቲ ሰባት ጥራይ ምዃኖም ይፍለጡ። (ሴላ) 138 ብምሉእ ልበይ ክውድሰካ እየ።+ ኣብ ገጽ ኣማልኽቲ፡ውዳሰ ኽዝምር እየ።* 2 ንቓልካን ንስምካን ኣብ ልዕሊ ዅሉ* ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ተኣማንነትካን፡ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡+ንስምካ ኸኣ ክውድሶ እየ።+ 3 በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ መሊስካለይ፡+ኣትቢዕካንን* ኣበርቲዕካንን ኢኻ።+ 4 ኦ የሆዋ፡ ዘተስፎኻዮ ተስፋታት ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኺውድሱኻ እዮም።+ 5 ክብሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኺዝምሩ እዮም። 6 የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ፣+ንዕቡይ ግና ካብ ርሑቕ ጥራይ እዩ ዚፈልጦ።+ 7 ብማእከል ሓደጋ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ንስኻ ብህይወት ከተንብረኒ ኢኻ።+ ኣንጻር ቍጥዓ ጸላእተይ ኢድካ ትዝርግሕ፣የማነይቲ ኢድካ ኸተድሕነኒ እያ። 8 የሆዋ፡ ኵሉ ነገር ኪፍጽመለይ እዩ። ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፣+ንግብርታት ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።+ 27 የሆዋ ብርሃነይን+ ድሕነተይን እዩ። ካብ መን እየ ዝፈርህ፧+ የሆዋ ዕርዲ ህይወተይ እዩ።+ ካብ መንከ እየ ዝርዕድ፧ 2 እኩያት ንስጋይ ኪውሕጡ ምስ ኣጥቅዑኒ፡+ተጻረርተይን ጸላእተይን እዮም ተዓንቂፎም ዝወደቑ። 3 ሰራዊት እኳ ኣንጻረይ እንተ ዚሰፍር፡ልበይ ኣይፈርህን እዩ።+ ውግእ እኳ እንተ ዚልዓለኒ፡ሽዑ እውን እተኣማመን እየ። 4 ካብ የሆዋ ሓንቲ ነገር እየ ለሚነ፣ነዚኣ ኸኣ እየ ዝደሊ፦ ኵለን መዓልትታት ህይወተይ ኣብ ቤት የሆዋ ክቕመጥ፡+የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ደስ ዜብል ምዃኑ ኽጥምት፡ንቤተ መቕደሱ ድማ ባህ ኢሉኒ* ኽርኢ።+ 5 ንሱስ ብመዓልቲ መዓት ኣብ መጽለሊኡ ኺሓብኣኒ፡+ኣብ ስቱር ድንኳን ኪሰትረኒ፡+ኣብ ከውሒ ኸኣ ልዕል ኬብለኒ እዩ።+ 6 ሕጂ ርእሰይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዚኸብቡኒ ልዕል ኢሉ እዩ፣ኣብ ድንኳኑ ድማ ብእልልታ ኽስውእ እየ፣ንየሆዋ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ። 7 ኦ የሆዋ፡ ምስ ጸዋዕኩ፡ ስምዓኒ፣+ሞገስካ ኣርእየኒ፡ መልሰለይ ከኣ።+ 8 ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፡“ገጸይ ድለዩ” ይብል ኣሎ። ኦ የሆዋ፡ ንገጽካ ኽደልዮ እየ።+ 9 ገጽካ ኣይትሕብኣለይ።+ ንጊልያኻ ብቝጥዓ ኣይተርሕቆ። ንስኻ ረዳእየይ ኢኻ።+ ኦ ኣምላኽ ድሕነተይ፡ ኣይትጠንጥነኒ፡ ኣይትሕደገኒ እውን። 10 ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፡+የሆዋ ይእርንበኒ እዩ።+ 11 ኦ የሆዋ፡ ብመገድኻ ምሃረኒ፣+ብምኽንያት ጸላእተይ በታ መገዲ ቕንዕና ምርሓኒ። 12 ሓሰውቲ መሰኻኽር ተንሲኦምኒ፡+ብዓመጻ ኸኣ የፈራርሁኒ ኣለዉ እሞ፡ኣሕሊፍካ ንተጻረርተይ ኣይትሃበኒ።*+ 13 ሕያውነት* የሆዋ ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢእንተ ዘይኣምንሲ እንታይ ምዀንኩ፧*+ 14 ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣+ትባዕ፡ ልብኻ እውን ኣበርትዕ።+ እወ፡ ብየሆዋ ተስፋ ግበር። 105 ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡+ ስሙ ጸውዑ፡ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+ 2 ዘምሩሉ፡ ውዳሰ ዘምሩሉ፡*ብዛዕባ ዅሉ ዜደንቕ ግብርታቱ ኣጸቢቕኩም ሕሰቡ።*+ 3 ብቕዱስ ስሙ ተመክሑ።+ ልቢ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ይተሓጐስ።+ 4 ንየሆዋን ንብርታዐኡን ድለዩ።+ ወትሩ ገጹ* ድለዩ። 5 እቲ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱንተኣምራቱን ዝፈረዶ ፍርድታትን ዘክሩ፣+ 6 እወ፡ ኣቱም ዘርኢ ኣብርሃም እቲ ጊልያኡ፡+ኣቱም ሕሩያቱ ደቂ ያእቆብ ዘክሩ።+ 7 ንሱ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ እዩ።+ 8 ኪዳኑ ንዘለኣለም፡+ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ* ድማ ንሽሕ ወለዶታት ይዝክር፣+ 9 እወ፡ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን፡+ነቲ ንይስሃቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ይዝክሮ።+ 10 ነዚ ንያእቆብ ስርዓት፡ንእስራኤል ድማ ናይ ሓዋሩ ኺዳን ገይሩ ኣቘመሉ፡ 11 ከምዚ ኢሉ፦ “ብጽሒት ርስትኹም ክትከውን፡+ምድሪ ከነኣን ክህበካ እየ።”+ 12 እዚ ዝዀነ፡ ብቝጽሪ ሒደት ከለዉ፡+እወ፡ ኣዝዮም ሒደትን ኣብታ ምድሪ ጓኖትን ከለዉ እዩ።+ 13 ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ ህዝቢ ኸዱ።+ 14 ሓደ ሰብ እኳ ኺጭቍኖም ኣይፈቐደን፣+ምእንታኦም ግና ነገስታት ገንሐ፡+ 15 ከምዚ ኢሉ፦ “ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፡ንነብያተይ ከኣ ክፉእ ኣይትግበርዎም።”+ 16 ጥሜት ናብታ ምድሪ ጸውዐ፣+ቀረብ እንጌራኦም እውን ኣቋረጸ።* 17 ቀቅድሚኦም ሰብኣይ፡እቲ ባርያ ኪኸውን እተሸጠ ዮሴፍ፡ ለኣኸ።+ 18 ንኣእጋሩ ብመቝሕ ኣሰርዎ፣*+ክሳዱ* ድማ ኣብ ሓጺን ኣተወ። 19 ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡+ቃል የሆዋ ኣጽረዮ። 20 ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣+እቲ ገዛኢ ህዝብታት ሓራ ኣውጽኦ። 21 ኣብ ልዕሊ ቤተ ሰቡ ጐይታ፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ድማ ገዛኢ ገበሮ፣+ 22 ኣብ ልዕሊ መሳፍንቱ ኸም ዝደለዮ ስልጣን ኪህልዎ፡*ንዓበይቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮምሲ ኸምኡ ገበረ።+ 23 እስራኤል ድማ ናብ ግብጺ መጸ፣+ያእቆብ ከኣ ኣብ ምድሪ ካም ጓና ዀይኑ ተቐመጠ። 24 ኣምላኽ ድማ ንህዝቡ፡ ኣዝዮም ከም ዚፋረዩ ገበሮም፣+ካብ ተጻረርቶም እውን ኣበርትዖም።+ 25 ንህዝቡ ኺጸልእዎም፡ ንገላዉኡ እውን ኪተናዀልዎምሲ፡+ልቢ እቶም ተጻረርቲ ኺልወጥ ፈቐደ። 26 ንጊልያኡ ሙሴን+ነቲ ዝሓረዮ ኣሮንን+ ለኣኾም። 27 ትእምርትታቱ ኣብ መንጎኦም፡ተኣምራቱ ድማ ኣብ ምድሪ ካም ገበረ።+ 28 ጸልማት ሰደደ፡ እታ ምድሪ እውን ጸልመተት፣+ካብ ቃላቱ ኸኣ ኣይዓለዉን። 29 ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፣ዓሳታቶም ድማ ቀተለ።+ 30 ምድሮም ብቝርዖብ ሓሰኽሰኽ በለት፣+ናብ ክፍልታት ነገስታት እኳ ኣተዋ። 31 ጽንጽያ ኸልቢ ኺወርርዎም፡ጻጹት እውን ኣብ ኵላ ሃገሮም ኪዀኑ ኣዘዘ።+ 32 ንዝናሞም ናብ በረድ ቀየሮ፣ናብ ምድሮም ከኣ በርቂ* ሰደደ።+ 33 ተኽሊ ወይኖምን ኦም በለሶምን ወቕዐ፣ኣእዋም ሃገሮም ድማ ሰባበረ። 34 ኣንበጣ ኺወርርዎም፡ቍጽሪ ዘይብሎም ኩብኩብታ ኸኣ ኪመጽዎም ተዛረበ።+ 35 ንሳቶም ንዅሉ ኣትክልቲ እታ ምድሪ በልዕዎ፣ንፍረ እታ ምድሪ ድማ በልዕዎ። 36 ንዅሉ በዅሪ ምድሮም፡ንመጀመርታ ስብእነቶም ቀተለ።+ 37 ንህዝቡ ብሩርን ወርቅን ኣትሒዙ ኣውጽኦም፣+ካብ ነገዳቱ ድማ ሓደ እኳ ኣይተዓንቀፈን። 38 ራዕዲ እስራኤል* ኣብ ልዕሊኦም ወዲቑ ነበረ እሞ፡ንሳቶም ምስ ወጹ፡ ግብጺ ተሓጐሰት።+ 39 ኪጋርዶም ደበና፡+ብለይቲ ኼብርህ ከኣ ሓዊ ዘርግሐ።+ 40 ለመኑ እሞ ብርኒጎታት ኣምጽአ፣+ብእንጌራ ሰማይ ድማ ኣጽገቦም።+ 41 ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ኣውሓዘ፣+እዚ ኸኣ ከም ፈለግ ብምድረ በዳ ወሓዘ።+ 42 ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንጊልያኡ ኣብርሃም ዝኣተወሉ ቕዱስ ቃል ዘከረ።+ 43 ስለዚ፡ ንህዝቡ ብፍስሃ፡ንሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም።+ 44 ምድሪ ኣህዛብ ሃቦም፣+ጻማ ጻዕሪ ህዝብታት ከኣ ተረስተዩ፣+ 45 እዚ ዝገበረ ኸኣ ስርዓታቱ ኺሕልዉ፡+ሕግታቱ ድማ ኪገብሩ እዩ። ንያህ ወድስዎ!* 47 ኣቱም ህዝብታት ኵልኹም፡ ብኣእዳውኩም ኣጣቕዑ። ንኣምላኽ እልል እናበልኩም ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ። 2 የሆዋ፡ እቲ ልዑልሲ፡ ዜፍርህ እዩ፣+ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ።+ 3 ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና የምበርክኾም፣ንኣህዛብ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና ይገብሮም።+ 4 ነቲ ሓበን እቲ ዜፍቅሮ ያእቆብ፡+ማለት ነቲ ርስትና ይሓርየልና።+ (ሴላ) 5 ኣምላኽ ብእልልታ፡የሆዋ ብደሃይ መለኸት* ዓሪጉ። 6 ንኣምላኽ ውዳሰ ዘምሩሉ፡* ዘምሩሉ። ንንጉስና ውዳሰ ዘምሩሉ፡ ዘምሩሉ። 7 ኣምላኽሲ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ፣+ውዳሰ ዘምሩ፡ ልቦና ኸኣ ግበሩ። 8 ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ነጊሱ።+ ኣምላኽ ኣብቲ ቕዱስ ዝፋኑ ይቕመጥ። 9 መራሕቲ ህዝብታትምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ተኣኪቦም። ገዛእቲ* ምድርስ ናይ ኣምላኽ እዮም። ንሱ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ።+ 127 የሆዋ ንቤት እንተ ዘይሃኒጽዋ፡ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩላ።+ የሆዋ ንኸተማ እንተ ዘይሓልይዋ፡+ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ። 2 ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፡ኣምሲኹም ምድቃስኩም፡ንእንጌራ ምጽዓርኩም ከንቱ እዩ፣ንሱስ ንፍቑራቱ ድቃስ ሂብዎም ከሎ እውን ይናብዮም እዩ።+ 3 እንሆ፡ ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም፣+ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።+ 4 ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻታት፡ውሉዳት ንእስነት ከምኡ እዮም።+ 5 ጕልድባኡ ብኣታቶም ዝመልአ ሰብኣይ ሕጉስ እዩ።+ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ምስ ጸላእቲ ኺዛረቡ እዮም እሞ፡ኣይኪሓፍሩን እዮም። 106 ንያህ ወድስዎ!* ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።+ 2 ግብርታት ሓይሊ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪነግር፡ወይስ ኵሉ ዚንኣድ ግብርታቱ ኺእውጅ ዚኽእል መን ኣሎ፧+ 3 ፍትሒ ዚገብሩ፡ወትሩ ድማ ቅኑዕ ዘበለ ዚገብሩ ሕጉሳት እዮም።+ 4 ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ሞገስ* ከተርኢ ኸለኻ፡ ዘክረኒ።+ ብግብርታት ድሕነትካ ተኸናኸነኒ እሞ፡ 5 ንሕሩያትካ እትገብረሎም ሕያውነት* ክርኢ፡+ምስ ህዝብኻ ኽሕጐስ፡ምስ ርስትኻ ዀይነ ብሓበን ክውድሰካ* እየ። 6 ከምቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ፡ ሓጣእና፣+በደልና፣ እከይ ድማ ገበርና።+ 7 ኣቦታትና ኣብ ግብጺ ንዜደንቕ ግብርታትካ ኣይተረድእዎን። ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ብዙሕ ፍቕርኻ ኣይዘከርዎን። ኣብ ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ባሕሪ ድማ ዓለዉ።+ 8 ንሱ ግና ስለ ስሙ ኢሉ፡+ሓይሉ ድማ ኬፍልጥ ኢሉ ኣድሓኖም።+ 9 ንቐይሕ ባሕሪ ገንሖ እሞ ነቐጸ፣ከም ብምድረ በዳ* ኸኣ በቲ መዓሙቝ መርሖም።+ 10 ካብ ኢድ ተጻራሪኦም ኣድሓኖም፣+ካብ ኢድ ጸላኢ ድማ ተበጀዎም።+ 11 ማያት ንተጻረርቶም ደፈኖም፣ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ 12 ሽዑ፡ በቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኣመኑ፣+ውዳሰኡ እውን ዘመሩ።+ 13 ቀልጢፎም ግና ንተግባሩ ረስዕዎ፣+ምኽሩ ኸኣ ኣይተጸበዩን። 14 ኣብ በረኻ ብህርፋኖም ተሰነፉ፣+ኣብ ምድረ በዳ ድማ ንኣምላኽ ፈተንዎ።+ 15 ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሃቦም፣ድሕሪኡ ግና፡ ብዜማስን* ሕማም ወቕዖም።+ 16 ኣብ ሰፈር ንሙሴ ቐንኡሉ፣ንኣሮን፡+ ነቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ እውን ቀንኡሉ።+ 17 ሽዑ፡ ምድሪ ተኸፊታ ንዳታን ወሓጠቶ፣ነቶም ምስ ኣቢራም እተኣከቡ እውን ደፈነቶም።+ 18 ሓዊ ኣብ መንጎ ጕጅለኦም ነደደ፣ሃልሃልታ ኸኣ ነቶም እኩያት በልዖም።+ 19 ኣብ ሆሬብ ምራኽ ገበሩ፣ንፍሱስ ምስሊ እውን ሰገዱሉ፣+ 20 ንኽብረይ ድማ፡ብምስሊ ሳዕሪ ዚበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።+ 21 ንኣምላኽ እቲ መድሓኒኦም፡ነቲ ኣብ ግብጺ ዓበይቲ ነገራት ዝገበረ ረስዕዎ፣+ 22 እወ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ካም ዜደንቕ ግብርታት፡+ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ ዜፍርህ ተግባራት ዝገበረ ረስዕዎ።+ 23 ጥፍኣቶም ኪእዝዝ ኢሉ ነበረ፣ዜጥፍእ ቍጥዓኡ ምእንቲ ኺምለስ ግና፡ሙሴ እቲ ሕሩዩ ምእንታኦም ለመኖ።*+ 24 ንሳቶም ከኣ ነታ ተባሃጊት ምድሪ ነዓቕዋ፣+በቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ድማ ኣይኣመኑን።+ 25 ኣብ ድንኳናቶም የዕዘምዝሙ ነበሩ፣+ድምጺ የሆዋ ኸኣ ኣይሰምዑን።+ 26 ስለዚ፡ ብዛዕባኦም ኢዱ ኣልዒሉ መሓለ፣ኣብ በረኻ ኼውድቖም፡+ 27 ንዘርኦም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኬውድቖም፡ኣብ ብዘለዋ ሃገራት እውን ፋሕ ኬብሎም መሓለ።+ 28 ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ድማ ሓበሩ፣+ንምዉታት እተሰውአ መስዋእቲ* ኸኣ በልዑ። 29 ብግብርታቶም ኣዀረይዎ፣+ኣብ መንጎኦም ድማ መቕዘፍቲ ዀነ።+ 30 ፊንሃስ ተንሲኡ ጣልቃ ምስ ኣተወ ግና፡እቲ መቕዘፍቲ ደው በለ።+ 31 እዚ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ፡ ንዘለኣለም፡ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።+ 32 ኣብ ማይ መሪባ* ድማ ኣዀረይዎ፣ብሰሮም እውን ሙሴ ተጐድአ።+ 33 ንመንፈሱ ኣመረርዎ፣ብኸናፍሩ ድማ ብታህዋኽ ተዛረበ።+ 34 ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ከኣ፡+ነቶም ህዝብታት ኣየጥፍእዎምን።+ 35 ምስቶም ኣህዛብ ደኣ ተሓዋወሱ፣+መገድታቶም ከኣ ተማህሩ።+ 36 ንጣኦታቶም ድማ የገልግልዎም ነበሩ፣+ንሳቶም እውን መፈንጠራ ዀንዎም።+ 37 ኣወዳቶምን ኣዋልዶምንንኣጋንንቲ ይስውኡሎም ነበሩ።+ 38 ንጹህ ደም፡ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን የፍስሱ ነበሩ፣+ንጣኦታት ከነኣን ከኣ ሰውኡሎም፣+እታ ምድሪ ድማ ብምፍሳስ ደም ተበከለት። 39 ብተግባራቶም ረኸሱ፣ብግብርታቶም ከኣ ብመንፈሳዊ መዳይ መንዘሩ።+ 40 ስለዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ነደደ፣ንርስቱ እውን ፈንፈኖ። 41 እቶም ዚጸልእዎም ምእንቲ ኺገዝእዎም፡+ብተደጋጋሚ ኣብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም።+ 42 ጸላእቶም ጨቈንዎም፣ኣብ ትሕቲ ስልጣኖም* ድማ ተገዝኡ። 43 ብዙሕ ሳዕ ኣናገፎም፣+ንሳቶም ግና ይዓልዉ ነበሩ፡ ኣይተኣዘዙን እውን፣+ብስሕተቶም ከኣ ይዋረዱ ነበሩ።+ 44 ንሱ ግና ጸበባኦም ይርኢ፡+ኣውያቶም እውን ይሰምዕ ነበረ።+ 45 ምእንታኦም ኢሉ ድማ ኪዳኑ ይዝክር፡በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ዓብዪ* ፍቕሩ ተደሪኹ እውን ይድንግጸሎም* ነበረ።+ 46 ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ማረኽቶም ከኣ፡ዜደንግጹ ይገብሮም ነበረ።+ 47 ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኣድሕነና፣+ንቕዱስ ስምካ ኸነመስግኖ፡ብምውዳስካ* ድማ ክንፍሳህሲ፡ካብ ኣህዛብ ኣክበና።+ 48 የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይወደስ።+ ኵሎም ህዝቢ ኸኣ፡ “ኣሜን!”* ይበሉ። ንያህ ወድስዎ!* 69 ኦ ኣምላኽ፡ ማያት ኣስጊኡኒ* እዩ እሞ፡ ኣድሕነኒ።+ 2 ናብቲ መርገጺ ባይታ ዘይብሉ ዓሚቝ ታኼላ ጥሒለ።+ ናብ ዓሚቝ ማያት ኣትየ፡ብርቱዕ ውሒዝ ከኣ ወሲዱኒ።+ 3 ብምእዋይ ደኺመ፣+ጐረሮይ ላሕቲቱ። ኣዒንተይ ንኣምላኸይ ብምጽባይ ደኺመን።+ 4 እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ፡+ካብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሑ። እቶም ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ፡እቶም ጠላማት ጸላእተይ* በዚሖም። ዘይሰረቕክዎ ኸረክብ ተገዲደ። 5 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ንዕሽነተይ ትፈልጦ ኢኻ፣በደለይ እውን ካባኻ ኣይተሓብአን። 6 ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ብኣኻ ተስፋ ዚገብሩ ብኣይ ኣይሕፈሩ። ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይዋረዱ። 7 ስለኻ ተጸሪፈ፣+ውርደት ከኣ ንገጸይ ሸፊንዎ።+ 8 ንኣሕዋተይ ጋሻ፡ንደቂ ኣደይ ድማ ጓና ዀይነዮም።+ 9 ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣+ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ ኸኣ ኣባይ ወዲቑ።+ 10 ብጾም ገዛእ ርእሰይ* ምስ ኣትሓትኩ፡*ብሰንኪ እዚ ተጸሪፈ። 11 ማቕ ምስ ተኸደንኩ፡መመሰሊ ዀይነዮም። 12 መዛረቢ እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዘለዉ ዀይነ፣ሰኽራማት ከኣ መድረፊኦም ገይሮምኒ። 13 ኦ የሆዋ፡ ብቕብልቲ ግዜ ግና፡ጸሎተይ ናባኻ ይብጻሕ።+ ኦ ኣምላኽ፡ ብብዝሒ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡በቲ ርግጽ ዝዀነ ግብርታት ድሕነትካ መልሰለይ።+ 14 ካብ ታኼላ ኣናግፈኒ፣ክጥሕል ኣይትሕደገኒ። ካብቶም ዚጸልኡንንካብቲ መዓሙቝ ማያትን ኣናግፈኒ።+ 15 ብርቱዕ ውሒዝ ኪወስደኒ፡+ወይ መዓሙቝ ኪውሕጠኒ፡ወይ ዒላ* ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኺዓጹ ኣይትሕደግ።+ 16 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መልሰለይ።+ ከም ብዝሒ ምሕረትካ ናባይ ኣብል፣+ 17 ካብ ጊልያኻ ድማ ገጽካ ኣይትሕባእ።+ ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ቀልጢፍካ መልሰለይ።+ 18 ናባይ ቅረብ እሞ ኣናግፈኒ፣*ካብ ጸላእተይ ተበጀወኒ። 19 ጸርፈይን ሕስራነይን ውርደተይን ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ።+ ንዅሎም ጸላእተይ ትርእዮም ኢኻ። 20 ጸርፊ ንልበይ ሰቢርዎ እዩ እሞ፡ ቍስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ።* ዚድንግጸለይ ክረክብ ተስፋ ገይረ ነይረ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣+ዜጸናንዓኒ ኽረክብ እውን ተጸብየ ነይረ፣ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።+ 21 ንብልዒ ግና መርዚ* ሂቦምኒ፣+ንጽምአይ እውን ክሰትዮስ መጺጽ ሂቦምኒ።+ 22 መኣዶም ኣብ ቅድሚኦም መጻወድያ፡ብልጽግናኦም ድማ መፈንጠራ ይኹን።+ 23 ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፣ንሕቘኦም ድማ ወትሩ ኣንቀጥቅጦ። 24 ነድርኻ* ኽዓወሎም፣ዚነድድ ቍጥዓኻ እውን የርክቦም።+ 25 ሰፈሮም* ይባድም፣ኣብ ድንኳናቶም ከኣ ሓደ እኳ ኣይንበር።+ 26 ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕግዎ፡ስቓይ እቶም ዘቝሰልካዮም እውን ይጽብጽቡ። 27 ኣብ ልዕሊ በደሎም በደል ወስኽ፣ኣብ ጽድቅኻ እውን ግደ ኣይሃልዎም። 28 ካብ መጽሓፍ ህያዋን* ይደምሰሱ፣+ኣብ መንጎ ጻድቃን ከኣ ኣይመዝገቡ።+ 29 ኣነ ግና ውጹዕ እየ፡ እቕንዞ እውን ኣለኹ።+ ኦ ኣምላኽ፡ ድሕነትካ የዕቍበኒ። 30 ንስም ኣምላኽ ውዳሰ ኽዝምረሉ፡ብምስጋና ድማ ከዕብዮ እየ። 31 እዚ ንየሆዋ ኻብ ብዕራይ፡ካብ ኣቕርንትን ሸዀናን ዘለዎ ዝራብዕ ንላዕሊ ባህ ኬብሎ እዩ።+ 32 ዓቃላት* ኪርእይዎን ኪሕጐሱን እዮም። ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፡ ልብኹም ይተሓደስ። 33 የሆዋስ ንድኻታት ይሰምዖም፡+ንምሩኻት ህዝቡ እውን ኣይንዕቆምን እዩ።+ 34 ሰማይን ምድርን፡ባሕርታትን ኣብኡ ዚንቀሳቐስ ኵሉን ይወድሶ።+ 35 ኣምላኽሲ ንጽዮን ኬድሕና፡+ንኸተማታት ይሁዳ ድማ ዳግም ኪሃንጸን እዩ፣ንሳቶም ከኣ ኣብአን ኪቕመጡን ንዓኣ ኺርስተይዋን* እዮም። 36 ዘርኢ ገላዉኡ ኺወርስዋ፡+እቶም ስሙ ዚፈትዉ+ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም። 89 ብተኣማንነት ብዛዕባ ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ንዘለኣለም ክዝምር እየ። ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ ተኣማንነትካ ኸፍልጥ እየ። 2 ከመይሲ፡ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ንዘለኣለም ኪህነጽ* እዩ፣+ንስኻ ድማ ተኣማንነትካ ኣብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ” ኢለ ኣለኹ። 3 “ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣትየ፣+ንዳዊት ጊልያይ ከምዚ ኢለ ምሒለሉ፦+ 4 ‘ንዘርእኻ ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ፣+ንዝፋንካ እውን ንውሉድ ወለዶ ኽሃንጾ እየ።’”+ (ሴላ) 5 ኦ የሆዋ፡ ሰማያት ድንቂ ተግባራትካ፡እወ፡ ተኣማንነትካ ኣብ ጉባኤ ቕዱሳት ይውድስ። 6 ኣብ ሰማያትሲ ምስ የሆዋ ኺወዳደር ዚኽእል መን ኣሎ፧+ ካብ ደቂ ኣምላኽከ+ ኸም የሆዋ ዝበለ መን ኣሎ፧ 7 ኣምላኽ ኣብ ጕጅለ* ቕዱሳት ይኽበር* እዩ፣+ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ፡ ዓብይን ዜፍርህን እዩ።+ 8 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ኦ ያህ፡ ከማኻ ሓያል መን እዩ፧+ ተኣማንነትካ ኣብ ዙርያኻ ኣሎ።+ 9 ንዚናወጽ ባሕሪ ትገዝኦ፣+ማዕበላቱ ምስ ተላዕለ፡ ንስኻ ተህድኦ።+ 10 ንረሃብ+ ከም ቅቱል ጌርካ ሓምሺሽካዮ።+ ብሓያል ቅልጽምካ ንጸላእትኻ ፋሕ ኣቢልካዮም።+ 11 ሰማያት ናትካ እዩ፡ ምድሪ እውን ናትካ እያ፣+ነታ ፍርያም ምድሪ ምስቲ ንዓኣ ዚመልኣ+ ንስኻ ሰሪትካያ። 12 ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጢርካዮ፣ታቦርን+ ሄርሞንን+ ንስምካ ብታሕጓስ ይውድሱ። 13 ቅልጽምካ ሓያል እያ፣+ኢድካ ብርትዕቲ እያ፣+የማነይቲ ኢድካ ልዕል ዝበለት እያ።+ 14 ጽድቅን ፍትሕን መሰረት ዝፋንካ እየን፣+ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኣብ ቅድሜኻ ይቘማ።+ 15 እቶም እልልታ ዚፈልጡ ህዝቢ ሕጉሳት እዮም።+ ኦ የሆዋ፡ ንሳቶም ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ። 16 ምሉእ መዓልቲ ብስምካ ይሕጐሱ፣ብጽድቅኻ እውን ልዕል ይብሉ። 17 ንስኻስ ክብሪ ብርታዐኦም ኢኻ፣+ብስምረትካ ድማ ብርታዐና* ልዕል ይብል እዩ።+ 18 ዋልታናስ ናይ የሆዋ እዩ፣ንጉስና እውን ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።+ 19 በቲ ግዜ እቲ፡ ንእሙናትካ ብራእይ ከምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፦ “ንጅግና ብርታዐ ሂበ፣+ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ልዕል ኣቢለ።+ 20 ንዳዊት ጊልያይ ረኺበዮ፣+ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢአዮ።+ 21 ኢደይ ክትድግፎ፡+ቅልጽመይ ከኣ ከተበርትዖ እያ። 22 ጸላኢ ኣይኬገብሮን፡ዓማጺ ድማ ኣይኪጭቍኖን እዩ።+ 23 ንተጻረርቱ ኻብ ቅድሚኡ ኽሕምሽሾም፡+ነቶም ዚጸልእዎ እውን ክቐትሎም እየ።+ 24 ተኣማንነተይን ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይን ምስኡ እየን፣+ብስመይ ድማ ብርታዐኡ* ልዕል ኪብል እዩ። 25 ኢዱ* ኣብ ልዕሊ ባሕሪ፡የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ ከንብር እየ።+ 26 ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻ ኣቦይ፡ኣምላኸይን ከውሒ ድሕነተይን ኢኻ’ ኢሉ ኺጽውዓኒ እዩ።+ 27 ኣነ እውን በዅሪ፡+ካብ ነገስታት ምድሪ ዝለዓለ ኽገብሮ እየ።+ 28 ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕሪ ንዘለኣለም ክሕልወሉ እየ፣+ዝኣቶኹሉ ኺዳን ከኣ ከቶ ኣይኪፈርስን እዩ።+ 29 ንዘርኡ ንዘለኣለም ክስርቶ፡ንዝፋኑ እውን ከም ሰማያት ነባሪ ኽገብሮ እየ።+ 30 ደቁ ሕገይ እንተ ሓዲጎም፡ብድንጋገታተይ* ከኣ እንተ ዘይተመላሊሶም፡ 31 ስርዓታተይ እንተ ኣፍሪሶም፡ትእዛዛተይ እውን እንተ ዘይሓልዮም፡ 32 ሽዑ፡ ንዘይተኣዛዝነቶም* ብሻቦጥ፡+ንስሕተቶም ድማ ብመግረፍቲ ክቐጽዕ እየ። 33 ንዕኡ ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይ ግና ከቶ ኣይክሓድግን፡+እቲ ዝሃብክዎ ተስፋ* እውን ኣይክጠልምን እየ። 34 ኪዳነይ ኣይከፍርስን፡+ከናፍረይ እተዛረቦ ኸኣ ኣይክልውጥን እየ።+ 35 ብቕድስናይ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምሒለ እየ፣ንዳዊት ኣይክሕስዎን እየ።+ 36 ዘርኡ ንዘለኣለም ኪነብር፡+ዝፋኑ እውን ከም ጸሓይ ኣብ ቅድመይ ኪነብር እዩ።+ 37 ከም ወርሒ፡ ከምታ ኣብ ሰማያት ዘላ እምንቲ ምስክር፡ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።” (ሴላ) 38 ንስኻ ግና ደርቢኻዮን ንዒቕካዮን፣+ንቕቡእካ ኸኣ ተቘጢዕካዮ። 39 ንኺዳን ጊልያኻ ንዒቕካዮ፣ንዘውዱ ናብ ምድሪ ብምድርባይ ኣርኪስካዮ። 40 ኵሉ መናድቑ* ኣፍሪስካ፣ዕርድታቱ ድማ ኣዕኒኻ። 41 ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ዘሚቶምዎ፣ንጐረባብቱ መጻረፊ ዀይኑ።+ 42 ንተጻረርቱ ኣዐዊትካዮም፣*+ንዅሎም ጸላእቱ ኸኣ ኣሐጒስካዮም። 43 ንሰይፉ መሊስካያ፣ኣብ ውግእ እውን ኣብ መትከሉ ኣየቘምካዮን። 44 ንግርማኡ ኣጥፊእካዮ፣ንዝፋኑ ድማ ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ። 45 መዓልትታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ፣ብሕፍረት ከኣ ኣጐልቢብካዮ። (ሴላ) 46 ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ እትሕባእ፧ ንዘለኣለምዶ፧+ ነድርኻስ ከም ሓዊ ብቐጻሊዶ ኺነድድ እዩ፧ 47 ህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ምዃና ዘክር!+ ንዅሎም ሰባት ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮም፧ 48 ሞት ከይረኣየ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ሰብ መን ኣሎ፧+ ካብ ሓይሊ መቓብርከ* ንርእሱ* ኼድሕን ይኽእልዶ፧ (ሴላ) 49 ኦ የሆዋ፡ እቲ ንዳዊት ብተኣማንነትካ ዝመሓልካሉ፡ብተኣማንነት ብእተርእዮ ፍቕሪ ዝገበርካዮ ቐዳሞት ግብርታትካ ኣበይ ኣሎ፧+ 50 ኦ የሆዋ፡ ንገላዉኻ ዜባጭዉሎም ባጫ፡ኣነ እውን ባጫ ዅሎም ህዝብታት ከም ዝጸውር* ዘክር፣ 51 ኦ የሆዋ፡ ጸላእትኻ ኸመይ ከም ዚጸርፉ፡ንዅሉ ኣሰር ቅቡእካ ኸመይ ከም ዚጸርፉ ዘክር። 52 የሆዋ ንዘለኣለም ይወደስ። ኣሜን፡ ኣሜን።+ 103 ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ፣ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ እውን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ። 2 ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ፣ኵሉ እቲ እተገብረልኪ ድማ ኣይትረስዒ።+ 3 ንሱ ንዅሉ ስሕተትኪ ይቕረ ይብለልኪ፡+ካብ ኵሉ ሕማምኪ ኸኣ የሕውየኪ።+ 4 ንህይወትኪ ኻብ ጕድጓድ* ይብጀዋ፣+በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ብምሕረቱን ድማ ኣኽሊል ይገብረልኪ።+ 5 ንእስነትኪ ኸም ናይ ንስሪ ምእንቲ ኺሕደስሲ፡+ምሉእ ህይወትኪ ብጽቡቕ የጽግበኪ።+ 6 የሆዋ ንዅሎም ጭቍናት፡+ጽድቅን ፍትሕን ይገብር።+ 7 መገድታቱ ንሙሴ፡+ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።+ 8 የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን፡*+ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ።+ 9 ወትሩ ጕድለት ኣይኣርን፡+ንዘለኣለም እውን ኣይቅየምን እዩ።+ 10 ከም ሓጢኣትና ኣይገበረናን፡+ከም መጠን ስሕተትና ኣይፈደየናን።+ 11 ሰማያት ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብልሲ፡እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ኣብቶም ዚፈርህዎ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።+ 12 ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ።+ 13 ከምቲ ኣቦ ንደቁ ዚምሕሮም፡የሆዋ ንዚፈርህዎ ምሒርዎም።+ 14 ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡+ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ።+ 15 መዋቲ ሰብሲ፡ መዓልትታቱ ኸም ናይ ሳዕሪ እዩ፣+ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።+ 16 ንፋስ ምስ ነፈሰ ግና፡ ንሳ ኣይትህሉን፣ከቶ ኸም ዘይነበረት እውን ትኸውን።* 17 እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ግና፡ኣብቶም ዚፈርህዎ ንዘለኣለመ ኣለም እዩ፣+ጽድቁ ድማ ንደቂ ደቆም እዩ፣+ 18 እወ፡ ኣብቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡+ኣብቶም ንትእዛዛቱ ተጠንቂቖም ዚሕልዉ እዩ። 19 የሆዋ ንዝፋኑ ኣብ ሰማያት ኣጽኒዕዎ ኣሎ፣+ንግስናኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይገዝእ እዩ።+ 20 ኣቱም መላእኽቱ ዅልኹም፡+ ኣቱም ብርቱዕ ዝሓይልኹም፡ኣቱም ንድምጹ ተኣዚዝኩም ቃሉ እትፍጽሙ፡*+ ንየሆዋ ወድስዎ። 21 ኣቱም ሰራዊቱ ዅልኹም፡+ኣቱም ፍቓዱ እትገብሩ ኣገልገልቱ፡+ ንየሆዋ ወድስዎ። 22 ኣቱም ግብርታቱ ዅልኹም፡ኣብ ኵሉ ቦታታት ግዝኣቱ* ንየሆዋ ወድስዎ። ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ። 101 ብዛዕባ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ብዛዕባ ፍትሕን ክዝምር እየ። ኦ የሆዋ፡ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ። 2 ብምስትውዓልን መንቅብ ብዘይብሉ መገድን* ክነብር እየ። መዓስ ክትመጸኒ ኢኻ፧ ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብንጽህና ልበይ ክመላለስ እየ።+ 3 ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ዘይጠቅም ነገር ኣይከንብርን እየ። ግብርታት እቶም ካብ ቅኑዕ ዘልገሱ እጸልእ እየ፣+ካባታቶም ክርሕቕ እየ።* 4 ቄናን ልቢ ኻባይ ርሑቕ እዩ፣ክፍኣት ኣይቅበልን* እየ። 5 ንብጻዩ ብምስጢር ንዚሓሚ፡+ስቕ ከብሎ* እየ። ዕቡያት ኣዒንትን ኵሩዕ ልብን ንዘለዎ፡ኣይክጻወሮን እየ። 6 ምሳይ ምእንቲ ኪቕመጡስ፡ናብ እሙናት ምድሪ ኽምልከት እየ። እቲ መንቅብ ብዘይብሉ መገዲ* ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ። 7 መታለሊ ኣብ ቤተይ ኣይኪቕመጥን፡ሓሳዊ ድማ ኣብ ቅድመይ* ደው ኣይኪብልን እዩ። 8 ንዅሎም ገበርቲ ኽፉእ ካብ ከተማ የሆዋ ኽምንቍስሲ፡+ንግሆ ንግሆ ንዅሎም እኩያት ምድሪ ስቕ ከብሎም* እየ። 87 መሰረት ከተማኡ ኣብ ቅዱስ ኣኽራን እዩ።+ 2 የሆዋ ኻብ ኵሉ ድንኳናት ያእቆብሲ፡ንኣፍ ደገታት ጽዮን ይፈቱ።+ 3 ኦ ኸተማ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ይዝረብ ኣሎ።+ (ሴላ) 4 ንረሃብን+ ንባቢሎንን ካብተን ዚፈልጣኒ* ክቘጽረን እየ፣ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኩሽ እነዋ። “እዚኣ ኣብኣ እተወልደት እያ” ኺብሃል እዩ። 5 ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡“ነፍሲ ወከፍ ኣብኣ ተወሊዱ” ኺብሃል እዩ። እቲ ልዑል ከኣ ኬጽንዓ እዩ። 6 የሆዋ ንህዝብታት ኪምዝግቦም ከሎ፡“እዚ ኣብኣ እተወልደ እዩ” ኺብል እዩ። (ሴላ) 7 ዘመርትን*+ ብኽቢ ዚስዕስዑ ሳዕሳዕትን፡+“ኵሉ ዓይኒ ማያተይ ኣባኺ እዩ”*+ ኺብሉ እዮም። 73 ኣምላኽ ንእስራኤል፡ ነቶም ንጹህ ዝልቦም ብሓቂ ሕያዋይ* እዩ።+ 2 ኣነ ግና፡ ኣእጋረይ ዳርጋ ኣላጊሰን ነይረን፣ስጕምትታተይ ኬንደልህጻ ቐሪበን ነይረን።+ 3 ሰላም እኩያት ምስ ረኣኹስ፡ንዕቡያት* ቀኒአሎም ነይረ።+ 4 ኪሞቱ ኸለዉስ ስቓይ የብሎምን፣ሰብነቶም ጥዕና ኣለዎ።*+ 5 ከም ሰባት ኣይሽገሩን፣+ከም ሰብ እውን ኣይሳቐዩን።+ 6 ስለዚ፡ ትዕቢት፡ ስልማት ክሳዶም እዩ፣+ዓመጻ ድማ ከም ክዳን ይኸድኖም። 7 ብምኽንያት ብልጽግናኦም፡* ኣዒንቶም ጐልሓጣት እየን፣ሓለፋ እቲ ሓሳባት ልቦም ይሰልጦም። 8 የላግጹ፡ ክፉእ ነገር ድማ ይዛረቡ።+ ብትዕቢት ከኣ ከም ዚጭቍኑ የፈራርሁ።+ 9 ክሳብ ሰማይ ከም ዝበጽሑ ዀይኖም ይዛረቡ፣ልሳናቶም ድማ ኳዕነን እናበለ ኣብ ምድሪ ይመላለስ። 10 ስለዚ፡ ህዝቡ ናባታቶም የላግስ፣ካብ ብዙሕ ማዮም ከኣ ይሰቲ። 11 “ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧+ እቲ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ እዩ፧” ይብሉ። 12 እወ፡ እዚኣቶም እቶም ወትሩ ሃዲኦም ዚነብሩ እኩያት እዮም።+ ሃብቶም ድማ ይውስኹ።+ 13 ብርግጽ ኣነ ብኸንቱ እየ ልበይ ኣንጺሀ፡ንኣእዳወይ እውን ብንጽህና ሓጺበ።+ 14 ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ተሸጊረ፣+ንግሆ ንግሆ ድማ ተቐጺዐ።+ 15 ከምኡ ኢለ እንተ ዝዛረብ ግና፡ንህዝብኻ* ምጠለምክዎ ነይረ። 16 ነዚ ኽርድኦ ምስ ፈተንኩ፡ኣሸጊሩኒ ነይሩ፣ 17 እወ፡ ናብቲ ዓብዪ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝኣቱ፡መጻኢኦም ክሳዕ ዘስተውዕል፡ ኣሸጊሩኒ ነይሩ። 18 ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ቦታ ተንብሮም።+ ናብ ጥፍኣቶም ተውድቖም።+ 19 ከመይ ኰን ብሃንደበት ባደሙ!+ ከመይከ ብድንገት ተወዲኦም ጸነቱ! 20 ኦ የሆዋ፡ ከምቲ ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ ዚርሳዕ፡ንስኻ ምስ ተንሳእካ፡ ንምስሎም ትድምስሶ።* 21 ልበይ ግና ተመሪሩ ነይሩ፣+ኣብ ውሽጠይ* እውን መውጋእቲ ይስምዓኒ ነይሩ። 22 ዘይሓስብን ደንቈሮን ነይረ፣ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዓሻ እንስሳ ነይረ። 23 ሕጂ ግና ወትሩ ምሳኻ እየ፣ንስኻ ኸኣ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ ኣለኻ።+ 24 ብምኽርኻ ትመርሓኒ፡+ድሕሪኡ እውን ናብ ክብሪ ትወስደኒ ኢኻ።+ 25 ኣብ ሰማያትሲ መን ኣሎኒ፧ ብዘይካኻ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።+ 26 ሰብነተይን ልበይን ይምህምን ይኸውን፣ኣምላኽ ግና ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ግደይን እዩ።+ 27 ብሓቂ፡ እቶም ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም። ንዅሎም እቶም ብምንዝርና* ዚሓድጉኻ ኽትውድኦም* ኢኻ።+ 28 ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ።+ ኵሉ ግብርታትካ ምእንቲ ኽነግርሲ፡ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መዕቈብየይ ገይረዮ ኣለኹ።+ 62 ብርግጽ፡ ንኣምላኽ ብስቕታ እየ ዝጽበዮ።* ድሕነተይ ካብኡ እዩ ዚመጽእ።+ 2 ብርግጽ፡ ከውሐይን ድሕነተይን እምባይን* እዩ፣+ከቶ ብዙሕ ኣይክናወጽን እየ።+ 3 ክትቀትልዎስ ንሰብ ክንደይ ሳዕ ኢኹም ከተጥቅዕዎ፧+ ኵላትኩም ከም ዝዘዘወ መንደቕ፡ ኪፈርስ ከም ዝቐረበ መንደቕ ሓደገኛታት ኢኹም።* 4 ካብ ልዑል ቦታኡ* ኺግልብጥዎስ ይማኸሩ፣ብሓሶት ባህ ይብሎም። ብኣፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ።+ (ሴላ) 5 ተስፋይ ካብኡ ስለ ዚመጽእ፡+ብርግጽ፡ ንኣምላኽ ብስቕታ እየ ዝጽበዮ።*+ 6 ብርግጽ፡ ከውሐይን ድሕነተይን እምባይን እዩ፣ከቶ ኣይክናወጽን እየ።+ 7 ድሕነተይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ ዚምርኰስ። ጽኑዕ ከውሐይን መዕቈብየይን ኣምላኽ እዩ።+ 8 ኣቱም ህዝቢ፡ ኵሉ ግዜ ብእኡ ተኣመኑ። ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ።+ ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ።+ (ሴላ) 9 ደቂ ኣዳም ትንፋስ ጥራይ እዮም፣ደቂ ሰብ ናይ ሓሶት እዮም።+ ብሓባር ኣብ ሚዛን ምስ ተነብሩ፡ ካብ ትንፋስ ይፈዅሱ።+ 10 ብዘረፋ ኣይትተኣመኑ፣ብዘመተ ኸኣ ናይ ሓሶት ተስፋ ኣይትግበሩ። ሃብትኹም እንተ በዝሐ፡ ልብኹም ኣይተውድቑሉ።+ 11 ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛሪቡ፣ ነዚ ኸኣ ክልተ ሳዕ ሰሚዐዮ፦ ብርታዐስ ናይ ኣምላኽ እዩ።+ 12 ኦ የሆዋ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፡+ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ እውን ናትካ እዩ።+ 142 ብድምጸይ ናብ የሆዋ እምህለል፡+ብድምጸይ ንየሆዋ ሞገስ እልምኖ ኣለኹ። 2 ኣብ ቅድሚኡ ሻቕሎተይ አፍስስ፡ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባ ጭንቀይ እነግር ኣለኹ።+ 3 መንፈሰይ* ኣብ ውሽጠይ ምስ ጠለመ፡ንስኻ ንመገደይ ትሕልዋ።+ ኣብታ ዝኸዳ መገዲ፡መጻወድያ ይሓብኡለይ። 4 ናብ የማነይ ጠምት እሞ፡ብዛዕባይ ዚሓሊ* ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ርአ።+ ዝሃድመሉ ቦታ የብለይን።+ ብዛዕባይ* ዚሓስብ ሓደ እኳ የልቦን። 5 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እምህለል ኣለኹ። “ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣+ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘለኻኒ* ንስኻ ኢኻ” እብል ኣለኹ። 6 ኣዝየ ተዋሪደ እየ እሞ፡ናብ ኣውያተይ ኣቕልብ። ካባይ ይሕይሉ እዮም እሞ፡ካብ ሰጐጕተይ ኣናግፈኒ።+ 7 ስምካ ኽውድስሲ፡ካብ ቤት ማሕቡስ ኣውጽኣኒ።* ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፡ጻድቃን ኣብ ዙርያይ ይተኣከቡ። 50 የሆዋ ኣምላኽ ኣማልኽቲ*+ ተዛሪቡ፣ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ*ንምድሪ ጸዊዕዋ። 2 ካብ ጽዮን፡ እታ ፍጽምና ጽባቐ፡+ ኣምላኽ ኣብሪሁ። 3 ኣምላኽና ይመጽእ፡ ስቕ ድማ ኣይብልን እዩ።+ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣+ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብርቱዕ ህቦብላ ይኸውን።+ 4 ንህዝቡ ምእንቲ ኺዳኒ፡+ንናይ ላዕሊ ሰማያትን ንምድርን ይጽውዖም፣+ 5 “ናብቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዚኣትዉእሙናተይ ተኣከቡ” ይብሎም።+ 6 ኣምላኽ ፈራዲ እዩ እሞ፡+ሰማያት ጽድቁ ይእውጁ። (ሴላ) 7 “ኣታ ህዝበይ፡ ስማዕ፡ ክዛረብ እየ፣ኣታ እስራኤል፡ ኣንጻርካ ኽምስክር እየ።+ ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ እየ።+ 8 ኣነ ዝገንሓካስ ብምኽንያት መስዋእትኻ፡ብምኽንያት እቲ ወትሩ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኻ ኣይኰነን።+ 9 ካብ ቤትካ ዝራብዕ፡ካብ ደምበኻ ኸኣ ድቤላታት ክወስድ ኣየድልየንን እዩ።+ 10 ከመይሲ፡ ኵሎም እንስሳ ዱር፡ኣብ ሽሕ ኣኽራን ዘለዉ እንስሳታት እውን ናተይ እዮም።+ 11 ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን እየ፣+ቍጽሪ ዘይብሎም እንስሳታት መሮር ድማ ናተይ እዮም። 12 ፍርያም ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ እዩ እሞ፡+እንተ ዝጠሚ፡ ኣይምነገርኩኻን። 13 ስጋ ኣብዑርዶ እበልዕ እየ፧ ደም ድቤላታትዶኸ እሰቲ እየ፧+ 14 ንኣምላኽ ምስጋና ሰውኣሉ፣+መብጽዓኻ ድማ ነቲ ልዑል ሃቦ።+ 15 ብግዜ ጭንቂ ጸውዓኒ።+ ኣነ ኸናግፈካ እየ፡ ንስኻ እውን ከተኽብረኒ ኢኻ።”+ 16 ግናኸ፡ ኣምላኽ ንእኩይ ከምዚ ይብሎ፦ “ስርዓታተይ እትጽብጽብ፡+ወይ ብዛዕባ ኺዳነይ እትዛረብሲ እንታይ መሰል ኣሎካ፧+ 17 ንስኻስ ተግሳጸይ* ትጸልእ፡ንቓላተይ ድማ ዝባንካ ትህቦ ኢኻ።*+ 18 ሰራቒ ምስ ረኣኻ፡ ትሰምሮ፣*+ምስ ዘመውቲ ኸኣ ትሓብር። 19 ንኣፍካ ሕማቕ ንምስፍሕፋሕ ትጥቀመሉ፣ምትላል ድማ ምስ ልሳንካ ለጊቡ ኣሎ።+ 20 ተቐሚጥካ ኣንጻር ሓውካ ትዛረብ፣+ጕድለት ወዲ ኣዴኻ ኸኣ ትቐልዕ።* 21 እዚ ምስ ገበርካ፡ ኣነ ስቕ ኢለ፣ስለዚ፡ ከማኻ ዝኸውን መሲሉካ። ሕጂ ግና ክገንሓካ፡ምሳኻ ዘሎኒ ነገር ድማ ከቕርበልካ እየ።+ 22 ዜናግፈኩም ዘይብልኩም ኣነ ኸይሰላልዓኩምሲ፡ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፡ በጃኹም ነዚ ሕሰቡሉ።+ 23 እቲ ምስጋና ዚስውእ የኽብረኒ፣+ነቲ ውሱን መገዲ ዚስዕብ ከኣ፡ድሕነት ኣምላኽ ከርእዮ እየ።”+ 13 ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኽትርስዓኒ፧ ንዘለኣለምዶ፧ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ገጽካ ኻባይ ክትሓብእ፧+ 2 ክሳዕ መዓስ እየ ኽጭነቕ፡*መዓልቲ መዓልትስ ልበይ ኪጕሂ፧ ክሳዕ መዓስከ እዩ ጸላእየይ ኣብ ልዕለይ ኪዕወት፧+ 3 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ጠምተኒ እሞ መልሰለይ። ድቃስ ሞት ከይድቅስሲ፡ ንኣዒንተይ ኣብርሃየን፣ 4 ጸላእየይ ከኣ፡ “ስዒረዮ!” ከይብል። ተጻረርተይ ብውድቀተይ ኣይተሓጐሱ።+ 5 ኣነስ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ እእመን ኣለኹ፣+ልበይ ብግብርታት ድሕነትካ ኽትሕጐስ እያ።+ 6 የሆዋ ኣብዚሑ ዓስቢ ሂቡኒ* እዩ እሞ፡ ክዝምረሉ እየ።+ 91 ኣብ ስቱር ቦታ እቲ ልዑል ዚቕመጥ፡+ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይሓድር።+ 2 ንየሆዋ፡ “መዕቈብየይን ዕርደይን+ዝውከሎ ኣምላኸይን ኢኻ” ኽብሎ እየ።+ 3 ንሱስ ካብ መጻወድያ ኣፈንጣሪ ዑፍ፡ካብ ዜጥፍእ ለበዳ ኼናግፈካ እዩ። 4 ብመንገብገቡ ኺጋርደካ፡ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ።+ ተኣማንነቱ+ ኸም ዓብዪ ዋልታን+ ዕርድን እዩ። 5 ሽበራታት ለይቲ ዀነ፡+ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ ኣይክትፈርህን ኢኻ።+ 6 ብድነ ዚቃጾ ለበዳ ዀነ፡ብቐትሪ ዜጽንት ጥፍኣት ኣይክትፈርህን ኢኻ። 7 ኣብ ጐድንኻ ሽሕ፡ኣብ የማንካ እውን ዓሰርተ ሽሕ ኪወድቁ እዮም፣ናባኻ ግና ኣይኪቐርብን እዩ።+ 8 ብኣዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፡መቕጻዕቲ* እኩያት እውን ክትርኢ ኢኻ። 9 “የሆዋ መዕቈብየይ እዩ” ስለ ዝበልካ፡ነቲ ልዑል መንበሪኻ* ጌርካዮ ኢኻ፣+ 10 ጥፍኣት ኣይኪረኽበካን እዩ፣+መዓት እውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። 11 ብዅሉ መገድታትካ ኺሕልዉኻስ፡+ንመላእኽቱ+ ኺእዝዘልካ እዩ። 12 እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡+ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።+ 13 ኣብ ልዕሊ ዘይባጽሐ ኣንበሳን መንደላይ ተመንን ክትከይድ፡ሽደን ኣንበሳን ዓብዪ ተመንን ድማ ክትረግጽ ኢኻ።+ 14 ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ፦ “ስለ ዚፈትወኒ፡* ከናግፎ እየ።+ ስመይ ስለ ዚፈልጥ፡* ከዕቍቦ እየ።+ 15 ኪጽውዓኒ፡ ኣነ እውን ክምልሰሉ፡+ብግዜ ጭንቂ ምስኡ ክኸውን፡+ከናግፎን ከኽብሮን እየ። 16 ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡+ግብርታት ድሕነተይ* ከኣ ከርእዮ እየ።”+ 123 ኣታ ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን እትቕመጥ፡ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ።+ 2 ከምቲ ኣዒንቲ ገላዉ ናብ ኢድ ጐይታኦም፡ኣዒንቲ ገረድ ድማ ናብ ኢድ እመቤታ ዚጥምታ፡ከምኡ ኸኣ ኣዒንትና፡ ንሱ ሞገሱ ኽሳዕ ዜርእየና፡ናብ የሆዋ ኣምላኽና ይጥምታ ኣለዋ።+ 3 ንዕቀት እምብዛ በዚሑና እዩ እሞ፡+ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየና፡ ሞገስ ኣርእየና። 4 ላግጺ እቶም ብርእሶም ዚተኣማመኑንንዕቀት ዕቡያትን እምብዛ በዚሑና ኣሎ።* 5 ኦ የሆዋ፡ ናብ ቃላተይ ጽን በል፣+ናብ እህህታይ ኣድህብ። 2 ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን፡ ናባኻ እየ ዝጽሊ እሞ፡ናብ ኣውያተይ ኣቕልብ። 3 ኦ የሆዋ፡ ንግሆ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፣+ንግሆ ሓሳበይ ክገልጸልካ፡+ ብሃንቀውታ ኸኣ ክጽበየካ እየ። 4 ንስኻስ ብእከይ ባህ ዚብለካ ኣምላኽ ኣይኰንካን፣+ክፉእ ምሳኻ ኣይጸንሕን እዩ።+ 5 ዕቡይ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቀውምን እዩ። ንዅሎም ገበርቲ እከይ ትጸልኦም ኢኻ፣+ 6 ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም ኢኻ።+ የሆዋ ንዓመጽትን ንመታለልትን ይፍንፍኖም* እዩ።+ 7 ኣነ ግና ሳላ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ዓብዪ ፍቕርኻ፡+ ናብ ቤትካ ኽኣቱ፡+ብፍርሃት* ድማ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።+ 8 ኦ የሆዋ፡ ብምኽንያት ጸላእተይ፡ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፣መገድኻ ጽረገለይ።+ 9 ዚብልዎ ዘበለስ ዚእመን ኣይኰነን፣ኣብ ውሽጦም ሕሰም ጥራይ ኣሎ፣ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ብልሳኖም ይሽሕጡ።*+ 10 ግናኸ፡ ኣምላኽ ይዅንኖም፣ተንኰሎም የውድቖም።+ ካባኻ ዓልዮም እዮም እሞ፡ብብዝሒ ኣበሳኦም ይሰጐጉ። 11 ኵሎም እቶም ኣባኻ ዚምዕቈቡ ግና ኪሕጐሱ፡+ወትሩ እውን እልል ኪብሉ እዮም። ንስኻ ትጋርዶም ኢኻ፣ንስምካ ዚፈትውዎ ድማ ብኣኻ ኺሕጐሱ እዮም። 12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ንጻድቕ ዘበለ ትባርኽ ኢኻ፣ከም ብዓብዪ ዋልታ ኸኣ፡ ብተቐባልነት ትኸብቦ ኢኻ።+ 141 ኦ የሆዋ፡ እጽውዓካ ኣለኹ።+ ቀልጢፍካ ንዓ እሞ ርድኣኒ።+ ክጽውዓካ ኸለኹ ኣቕልበለይ።+ 2 ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እተዳለወ ዕጣን ይኹን፣+እተላዕላ ኣእዳወይ ከኣ ከም ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ይኹና።+ 3 ኦ የሆዋ፡ ንኣፈይ ዘብዐኛ ግበረሉ፣ንኣፍ ደገ ኸናፍረይ ሓላዊ ግበረሉ።+ 4 ምስ እኩያት ሰባት ኰይነ እኩይ ተግባራት ከይገብርሲ፡ንልበይ ናብ ክፍኣት ኪዝምብል ኣይትሕደጎ፣+ኣነ እውን እቲ ጥዑም ምግቦም ኣይብላዕ። 5 ጻድቕ እንተ ዚወቕዓኒ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ምዀነ፣+እንተ ዚገንሓኒ፡ ኣብ ርእሰይ ከም ዘይቲ ምዀነ፣+ርእሰይ እውን ከቶ ኣይምኣበዮን።+ ብግዜ መዓቶም እኳ ገና ኽጽሊ እየ። 6 ፈረድቶም እኳ ኻብ ጸድፊ እንተ ጸደፉ፡ቃላተይ ባህ ዜብል ብምዃኑ፡ ሰባት ኬቕልቡሉ እዮም። 7 ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚሓርሳን ዚፍርክሻን፡ከምኡ ድማ ኣዕጽምትና ኣብ ኣፍ መቓብር* ፋሕ ኢሉ ኣሎ። 8 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣዒንተይ ናባኻ እየን ዚጥምታ።+ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ። ንህይወተይ ኣይተጥፍኣያ።* 9 ካብ ምንጋጋ እቲ ዘጻወዱለይ መጻወድያ፡ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይ ኣዕቍበኒ። 10 ኣነ ብደሓን ክሓልፍ ከለኹ፡እኩያት ብሓባር ናብ መርበቦም ኪወድቁ እዮም።+ 125 እቶም ብየሆዋ ዚእመኑ፡*+ከምታ ዘይትናወጽ፡ግናኸ ንዘለኣለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።+ 2 ከምቲ ኣኽራን ንየሩሳሌም ዚኸብባ፡+ካብ ሕጂ ንዘለኣለም፡የሆዋ ንህዝቡ ይኸብቦ።+ 3 ጻድቃን፡ ዓመጻ ናብ ምግባር ከይዝምብሉስ፡*+ዘንጊ እከይ ኣብታ ንጻድቃን እተመደበት ምድሪ ኣይነብርን እዩ።+ 4 ኦ የሆዋ፡ ንሕያዎትን ቅኑዕ ንዝልቦምን+ጽቡቕ ግበረሎም።+ 5 ነቶም ናብ ጠዋይ መገድታቶም ዜልግሱ ግና፡የሆዋ ምስቶም ገበርቲ ኽፉእ ብሓባር ኬርሕቖም እዩ።+ ሰላም ኣብ እስራኤል ይኹን። 130 ኦ የሆዋ፡ ካብ መዓሙቝ እጽውዓካ ኣለኹ።+ 2 ኦ የሆዋ፡ ድምጸይ ስማዕ። ኣእዛንካ ናብ ልማኖይ የቕልባ። 3 ኦ ያህ፡* ስሕተት ትቋመት* ኔርካ እንተ ትኸውን፡ኦ የሆዋ፡ መን ደው ኪብል ምኸኣለ፧+ 4 ምእንቲ ኽትክበርሲ፡*+ምሳኻ ናይ ሓቂ ይቕረታ ኣሎ።+ 5 ብየሆዋ ተስፋ እገብር እየ፣ ኵለንትናይ ብእኡ ተስፋ ይገብር እዩ፣*ቃሉ ድማ እጽበ እየ። 6 ሓለፋ እቶም ንግሆ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡+እወ ሓለፋ እቶም ንግሆ ዚጽበዩ ሓለውቲ፡ንየሆዋ ተሃንጥየ ኽጽበዮ እየ።*+ 7 የሆዋ ብተኣማንነት የፍቅር እዩ፡+ኪብጆ ዜኽእሎ ዓብዪ ሓይሊ እውን ኣለዎ እሞ፡እስራኤል ንየሆዋ ይጸበዮ። 8 ንሱ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ስሕተቱ ኺብጀዎ እዩ። 21 ኦ የሆዋ፡ ንጉስ ብብርታዐኻ ይሕጐስ፣+ብግብርታት ድሕነትካስ ክንደይ ኰን እዩ ኣዝዩ ዚሕጐስ!+ 2 ትምኒት ልቡ ሂብካዮ፣+ልማኖ ኸናፍሩ እውን ኣይከላእካዮን። (ሴላ) 3 ከመይሲ፡ ብብዙሕ በረኸት ተቐቢልካዮ፣ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፊእካሉ።+ 4 ህይወት ለሚኑካስ፡ነዊሕ ዕድመ* ንዘለኣለመ ኣለም ሂብካዮ።+ 5 ግብርታት ድሕነትካ ዓብዪ ኽብሪ የምጽኣሉ።+ ክብርን ግርማን ትዕድሎ። 6 ንዘለኣለም እተባረኸ ትገብሮ፣+ኣብ ቅድሜኻ* ብምግባርካ ብሓጐስ ተደስቶ።+ 7 ንጉስሲ ብየሆዋ ይእመን* እዩ፣+እቲ ልዑል ብተኣማንነት ስለ ዜፍቅሮ፡ ከቶ ኣይናወጽን።*+ 8 ኢድካ ንዅሎም ጸላእትኻ ኽትረኽቦም፡የማነይትኻ ድማ ንዚጸልኡኻ ኽትረኽቦም እያ። 9 ምስ ኣቕለብካሎም፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ኸም እቶን ሓዊ ኽትገብሮም ኢኻ። የሆዋ ብቝጥዓኡ ኺውሕጦም፡ ሓዊ ኸኣ ኪበልዖም እዩ።+ 10 ንፍሪኦም ካብ ምድሪ፡ንዘርኦም እውን ካብ ደቂ ሰብ ከተጥፍእ ኢኻ። 11 ንሳቶምሲ ኽፉእ ሓሊኖምልካ፣+ዘይሰልጥ ተንኰል ድማ ሓሲቦም።+ 12 ቀስትኻ* ናባታቶም* ብምቕናዕ፡ከም ዜንሳሕቡ ኽትገብሮም ኢኻ።+ 13 ኦ የሆዋ፡ ብብርታዐኻ ተንስእ። ንሓይልኻ ውዳሰ ኽንዝምር* ኢና። 15 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧ ኣብ ቅዱስ ከረንካ ዚነብርከ መን እዩ፧+ 2 እቲ ብዘይ ኣበር* ዚመላለስ፡+ቅኑዕ ዚገብር፡+ብልቡ ድማ ሓቂ ዚዛረብ።+ 3 ብልሳኑ ዘይሓሚ፡+ንብጻዩ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡+ንፈተውቱ ኸኣ ዘየጸልም።*+ 4 ንዑቕ ዘበለ ዚንዕቕ፡+ንየሆዋ ንዚፈርህዎ ግና ዜኽብሮም። ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሉ* ዘይልውጥ።+ 5 ገንዘቡ ብወለድ ዘየለቅሕ፡+ኣንጻር ንጹህ ኪኸውን ኢሉ ኸኣ ጉቦ ዘይቅበል።+ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኸቶ ኣይናወጽን* እዩ።+ 136 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፡+ንሱ ድማ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+ 2 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ።+ 3 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ። 4 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ንሱ በይኑ ዓበይቲ ድንቂ ነገራት ይገብር እዩ።+ 5 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንሰማያት ብኽእለት* ገበሮ።+ 6 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዘርግሓ።+ 7 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ።+ 8 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንጸሓይ ብመዓልቲ ኽትገዝእ ገበራ።+ 9 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንወርሕን ንኸዋኽብትን ብለይቲ ኺገዝኡ ገበሮም።+ 10 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡በዅሪ ግብጺ ወቕዐ።+ 11 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንእስራኤል ካብ ማእከሎም ኣውጽኦ።+ 12 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ብሓያል ኢድን+ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ከምኡ ገበረ። 13 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቐሎ።+ 14 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንእስራኤል ብማእከሉ ኣሕለፎ።+ 15 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ደርበዮም።+ 16 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ መርሖም።+ 17 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ዓበይቲ ነገስታት ወቕዐ።+ 18 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ሓያላት ነገስታት ቀተለ። 19 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን ቀተሎ። 20 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንዖግ+ ንጉስ ባሳን ቀተሎ። 21 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ምድሮም ርስቲ ገይሩ ሃበ።+ 22 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንጊልያኡ እስራኤል ኣረስተዮ። 23 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ተዋሪድና ኸለና ዘከረና።+ 24 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ካብ ተጻረርትና ብተደጋጋሚ ኣናገፈና።+ 25 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንዅሉ ህያው* ይምግብ እዩ።+ 26 ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንኣምላኽ ሰማያት ኣመስግንዎ። 72 ኦ ኣምላኽ፡ ንንጉስ ፍርድታትካ ሃቦ፣ንወዲ ንጉስ ከኣ ጽድቅኻ ዓድሎ።+ 2 ንሱ ድማ ንህዝብኻ ብጽድቂ፡ንትሑታትካ እውን ብፍትሒ ይማጐተሎም።+ 3 ኣኽራን ንህዝብኻ ሰላም፡ኵርባታት ከኣ ጽድቂ የምጽኡሉ። 4 ነቶም ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘለዉ ትሑታት ይጣበቐሎም፣*ንደቂ ድኻ ድማ የድሕኖም፣ንዓማጺ ኸኣ ይጨፍልቆ።+ 5 ጸሓይ ክሳዕ ዘላ፡ወርሒ እውን ክሳዕ ዘላ፡ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም።+ 6 ኣብ እተዓጽደ ሳዕሪ ኸም ዚዘንም ዝናም፡ከምቲ ንምድሪ ዜስቲ ብርቱዕ ካፋ ኪኸውን እዩ።+ 7 ብዘመኑ፡ ጻድቕ ኪዕምብብ፡*+ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ሰላም ኪበዝሕ እዩ።+ 8 ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ካብቲ ፈለግ* ክሳብ ወሰናት ምድሪ ተገዛእቲ ኺህልውዎ እዮም።*+ 9 ተቐማጦ ምድረ በዳ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ፡ጸላእቱ እውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።+ 10 ነገስታት ተርሲስን ደሴታትን ኪግብሩሉ፡+ነገስታት ሳባን ሴባን ድማ ህያባት ኪህብዎ እዮም።+ 11 ኵሎም ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ፡ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ኬገልግልዎ እዮም። 12 ንሱስ ንዜእዊ ድኻንረዳኢ ንዘይብሉ ትሑትን ኬናግፍ እዩ። 13 ንትሑትን ንድኻን ኪድንግጸሎም፡ህይወት* ድኻታት ድማ ኬድሕን እዩ። 14 ካብ ጭቈናን ካብ ዓመጻን ኬናግፎም፡*ደሞም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ። 15 ብህይወት ይንበር፡ ወርቂ ሳባ እውን ይወሃቦ።+ ወትሩ ድማ ምእንታኡ ይጸለ፣ምሉእ መዓልቲ እውን ይባረኽ። 16 ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡+ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ። ፍሪኡ ኸም ኣብ ሊባኖስ ኪስስን እዩ፣+ኣብ ከተማታት፡ ሰባት ከም ኣትክልቲ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።+ 17 ስሙ ንዘለኣለም ይንበር፣+ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ድማ ይግነን። ሰባት ብእኡ በረኸት ይረኽቡ፣*+ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ሕጉስ ይበልዎ። 18 እቲ በይኑ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር+የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ይወደስ።+ 19 እቲ ኽቡር ስሙ ንዘለኣለም ይወደስ፣+ክብሩ እውን ንብዘላ ምድሪ ይምልኣያ።+ ኣሜን፡ ኣሜን። 20 ጸሎት ዳዊት ወዲ እሴይ+ ኣብዚ ይውዳእ። 22 ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧+ ስለምንታይ ካብ ምድሓነይ ርሒቕካ፧ ስለምንታይከ ኻብ ደሃይ ቃንዛይ ርሒቕካ፧+ 2 ኣምላኸይ፡ ብመዓልቲ እጽውዕ፡ ንስኻ ግና ኣይትምልስን፣+ብለይቲ እውን ኣነ ስቕ ኣይብልን። 3 ንስኻ ግና ቅዱስ፡+ብውዳሰታት እስራኤል እተኸበብካ* ኢኻ። 4 ኣቦታትና ብኣኻ ተኣሚኖም* እዮም፣+ተኣሚኖም፡ ንስኻ እውን ተናግፎም ኔርካ።+ 5 ናባኻ ኣእውዮም ድማ ድሒኖም፣ብኣኻ ተኣሚኖም* ከኣ ኣይሓፈሩን።+ 6 ኣነ ግና ሰብ ዚንዕቀንን* ህዝቢ ዚፍንፍነንንሓሰኻ እምበር፡ ሰብ ኣይኰንኩን።+ 7 ኵሎም እቶም ዚርእዩኒ የላግጹለይ፣+የናሽዉኒ፡ ብባጫ ኸኣ ርእሶም ይንቕንቑለይ፣+ 8 “ኣብ የሆዋ ተማዕቊቡ እዩ። የናግፎ! ኣዝዩ ይፈትዎ እዩ እሞ፡ የድሕኖ!” እውን ይብሉ።+ 9 ካብ ማሕጸን ዘውጻእካኒ፡+ኣብ ኣጥባት ኣደይ ድማ ዘቕሰንካኒ ንስኻ ኢኻ። 10 ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ንኽንክንካ ሕድሪ ተዋሂበ፣*ካብ ማሕጸን ኣደይ ጀሚርካ ኸኣ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። 11 ሽግር ቀሪቡ ኣሎ፡ ዚረድኣኒ እውን የብለይን እሞ፡+ካባይ ኣይትርሓቕ።+ 12 ብዙሓት ዝራብዓት ከቢቦምኒ፣+ብርቱዓት ኣብዑር ባሳን ብዙርያይ ሓጺሮምኒ።+ 13 ንግዳዩ ኸም ዚሰላልዕ ዚጓዝም ኣንበሳ፡+ኣፎም ሃህ ኣቢሎምለይ።+ 14 ከም ማይ ፈሲሰ፣ኵሉ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩ። ልበይ ከም ስምዒ ዀይኑ፣+ኣብ ውሽጢ ኣምዑተይ መኺኹ።+ 15 ሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹ፣+ልሳነይ ምስ ግርጻነይ ጠቢቑ፣+ናብ ሓመድ ሞት ኣውዲቕካኒ።+ 16 ኣኽላባትሲ ኸቢቦምኒ፣+ከም ዕስለ ገበርቲ እከይ ብዙርያይ ሓጺሮምኒ፣+ከም ኣንበሳ ንኣእዳወይን ንኣእጋረይን የጥቅዕዎ።+ 17 ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ።+ ንሳቶም ይርእዩንን ይጥምቱንን። 18 ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፣ንቐምሸይ እውን ዕጫ የውድቑሉ።+ 19 ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።+ ንስኻ ብርታዐይ ኢኻ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+ 20 ንነፍሰይ* ካብ ሰይፊ፡ነታ ኽብርቲ ህይወተይ* ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣድሕና፣+ 21 ካብ ኣፍ ኣንበሳን ካብ ኣቕርንቲ ጐባይን ኣድሕነኒ፣+መልሰለይ እሞ ኣድሕነኒ። 22 ስምካ ንኣሕዋተይ ክነግሮም፡+ኣብ ማእከል ጉባኤ እውን ክውድሰካ እየ።+ 23 ኣቱም ንየሆዋ እትፈርህዎ፡ ወድስዎ! ኵልኹም ዘርኢ ያእቆብ፡ ኣሞግስዎ!+ ኵልኹም ዘርኢ እስራኤል፡ ኣኽብርዎ። 24 ንሱስ ንመከራ ጭቁን ኣይነዓቐን፡ ኣይፈንፈነን እውን፣+ንገጹ ኻብኡ ኣይከወለን።+ ናብኡ ምስ ኣእወየ፡ ሰሚዕዎ እዩ።+ 25 ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኽውድሰካ፡+ኣብ ቅድሚ እቶም ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። 26 ዓቃላት* ኪበልዑን ኪጸግቡን፡+ንየሆዋ ዚደልይዎ ድማ ኪውድስዎ እዮም።+ ንስኻትኩም ንዘለኣለም ብህይወት ንበሩ።* 27 ኵሉ ወሰናት ምድሪ ንየሆዋ ኺዝክሮን ናብኡ ኺምለስን እዩ። ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ እዮም።+ 28 ንግስናስ ናይ የሆዋ እዩ፣+ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ይገዝእ። 29 ኵሎም ሃብታማት* ምድሪ ኺበልዑን ኪሰግዱን፡ኵሎም እቶም ናብ ሓመድ ዚወርዱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኺምብርከኹ እዮም፣ዋላ ሓዲኦም ብህይወት ኪጸንሑ* ኣይክእሉን እዮም። 30 ዘርኦም ኪግዝእዎ እዮም፣ዚመጽእ ወለዶ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ኺንገሮ እዩ። 31 መጺኦም ብዛዕባ ጽድቁ ኺነግሩ፡ነቶም ገና ዚውለዱ ህዝቢ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ኺነግርዎም እዮም። 122 “ናብ ቤት የሆዋ ንኺድ”ምስ በሉኒ ተሓጒሰ።+ 2 ኦ የሩሳሌም፡ ኣእጋርና ኣብ ኣፍ ደገታትኪደው ኢለን ኣለዋ።+ 3 የሩሳሌም ብሓደ ተላጊባከም እተሰርሐት ከተማ እያ።+ 4 ነገዳት፡ነገዳት ያህ፡*ከምቲ ንእስራኤል እተዋህበ መዘኻኸሪ፡ንስም የሆዋ ኼመስግኑ ናብኣ ደዪቦም ኣለዉ።+ 5 ዝፋናት ፍርዲ፡ዝፋናት ቤት ዳዊትሲ ኣብኣ ተነቢሩ ኣሎ።+ 6 ንሰላም የሩሳሌም ለምኑ።+ ኦ ኸተማ፡ እቶም ዚፈትዉኺ ኪቐስኑ እዮም። 7 ኣብ ውሽጢ ዕርድታትኪ ሰላም፡ኣብ ውሽጢ እተዓርደ ግምብታትኪ ኸኣ ቅሳነት ይኹን። 8 ምእንቲ ኣሕዋተይን ብጾተይን፡“ሰላም ኣብ ውሽጥኺ ይኹን” ክብል እየ። 9 ምእንቲ ቤት የሆዋ ኣምላኽና፡+ጽቡቕኪ ኽደሊ እየ። 79 ኦ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ ንርስትኻ ወሪሮምዎ፣+ንቕድስቲ ቤተ መቕደስካ ኣርኪሶምዋ፣+ንየሩሳሌም ናብ ኵምራ ዑናታት ቀዪሮምዋ።+ 2 ምግቢ ኪኸውንሲ ሬሳ ገላዉኻ ንኣዕዋፍ ሰማያት፡ስጋ እሙናትካ ድማ ንኣራዊት ምድሪ ሂቦምዎ።+ 3 ደሞም ከም ማይ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣፍሲሶምዎ፣ዚቐብሮም እውን ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ 4 ንጐረባብትና መጻረፊ ዄንና፣+ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ የላግጹልናን የባጭዉልናን ኣለዉ። 5 ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኽትንድር፧ ንዘለኣለምዶ፧+ ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መዓስ እዩ ኸም ሓዊ ዚነድድ፧+ 6 ነድርኻ ኣብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡ኣብተን ስምካ ዘይጽውዓ መንግስትታት ክዖ።+ 7 ንሳቶምሲ ንያእቆብ ውሒጦምዎ፣ንዓዱ እውን ኣባዲሞምዋ።+ 8 ብስሕተት ኣቦታትና ተሓተትቲ ኣይትግበረና።+ ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ቀልጢፍካ ምሕረትካ ኣርእየና።+ 9 ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡+ምእንቲ እቲ ኽቡር ስምካ ኢልካ ርድኣና፣ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኣናግፈና፡ ሓጢኣትና እውን ይቕረ በለልና።*+ 10 ስለምንታይ ኣህዛብ፡ “ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፧” ዚብሉ፧+ እቲ ዝፈሰሰ ደም ገላዉኻ ኸም እተፈድየ፡ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይፈለጥ።+ 11 እህህታ እሱር ስማዕ።+ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ* ጌርካ ነቶም ንሞት እተፈርዶም* ኣድሕኖም።*+ 12 ኦ የሆዋ፡ ስለቲ ዘባጨዉልካ ባጫ፡+ንጐረባብትና ሸውዓተ ዕጽፊ ፍደዮም።+ 13 ሽዑ፡ ንሕና ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን+ንዘለኣለም ከነመስግነካ ኢና፣ውዳሰኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኽንነግር ኢና።+ 109 ኣታ ዝውድሰካ ኣምላኽ፡+ ስቕ ኣይትበል። 2 እኩይን መታለልንሲ ኣፎም ይኸፍቱለይ ኣለዉ። ብሓሳዊት ልሳን ብዛዕባይ ይዛረቡ ኣለዉ፣+ 3 ብቓላት ጽልኢ ይኸብቡኒ፡ብዘይ ምኽንያት ከኣ የጥቅዑኒ ኣለዉ።+ 4 ኣብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ይጻረሩኒ፣+ኣነ ግና እጽሊ ኣለኹ። 5 ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ይፈድዩኒ፣+ንፍቕረይ እውን ጸሊኦምዎ።+ 6 ኣብ ልዕሊኡ እኩይ ሽም፣ኣብ የማኑ ድማ ተጻራሪ* ይቑም። 7 ምስ ተፈርደ፡ ይኰነን፣*ጸሎቱ እኳ ሓጢኣት ኰይኑ ይቈጸር።+ 8 መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣+ሓላውነቱ* ኻልእ ይውሰዶ።+ 9 ደቁ ዘኽታማት ይኹኑ፣ሰበይቱ እውን መበለት ትኹን። 10 ደቁ ዀለል ዚብሉ ለመንቲ ይኹኑ፣ካብ ዝዓነዋ ኣባይቶም ርሒቖም ምግቢ ይማእርሩ። 11 ንዘለዎ ዅሉ፡ ኣለቃሒኡ ይሓዞ፣*ጓኖት ከኣ ንጥሪቱ ይዝመትዎ። 12 ሓደ እኳ ኣይለውሃሉ፣*ንዘኽታማቱ ድማ ሓደ እኳ ሞገስ ኣየርእዮም። 13 ሓድጉ ይመንቈሱ፣+ስሞም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ይደምሰስ። 14 ስሕተት ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዘከር፣+ሓጢኣት ኣዲኡ ድማ ኣይደምሰስ። 15 የሆዋ ወትሩ ዝገበርዎ ይዘክር፣መዘከርታኦም ከኣ ካብ ምድሪ የጥፍእ።+ 16 ንሱስ ኪልውህ* ኣይዘከረን፣+ኪቐትሎ ኢሉ ደኣንጭቁንን ንድኻን ስቡር ንዝልቡን ሰጐጎ።+ 17 ምርጋም ፈተወ እሞ፡ ንሱ ድማ መጾ፣ምምራቕ ኣይበሃገን እሞ፡ ምርቓ ኣይረኸበን። 18 ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድኖ። ንሱ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጢ ሰብነቱ፡ከም ዘይቲ ናብ ውሽጢ ኣዕጽምቱ ሰረጸ። 19 መርገሙ ኸምቲ ዚጕልበቦ ኽዳን፡+ከምቲ ወትሩ ዚዕጠቖ ዕጣቕ ይኹኖ። 20 እዚ ኻብ የሆዋ ነቲ ዚጻረረንን+ነቶም ክፉእ ዚዛረቡለይን* ዓስቢ ይኹን። 21 ንስኻ ግና የሆዋ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ፡ስለ ስምካ ኢልካ ግበረለይ።+ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ኣናግፈኒ።+ 22 ኣነስ ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣+ልበይ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ተወጊኡ ኣሎ።+ 23 ከም ዚሃስስ ጽላሎት እሓልፍ ኣለኹ፣ከም ኣንበጣ እረግፍ ኣለኹ። 24 ኣብራኸይ ብጾም ረብሪበን፣ሰብነተይ ዓቢሩ፣ ኣነ ድማ ማህሚነ።* 25 መባጨዊኦም ኰይነ።+ ምስ ዚርእዩኒ፡ ርእሶም ይንቕንቑ።+ 26 ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፣በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ። 27 እዚ ብኢድካ ምዃኑ፡ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ይፍለጡ። 28 ንሳቶም ይርገሙ፣ ንስኻ ግና ባርኽ። ምስ ተንስኡኒ፡ ይሕፈሩ፣ጊልያኻ ግና ይተሓጐስ። 29 እቶም ዚጻረሩኒ ውርደት ይከደኑ፣ንሕፍረቶም ከኣ ከም ወለል ዚብል ክዳን* ይጐልበብዎ።+ 30 ኣፈይ ንየሆዋ ኣዝዩ ኺውድሶ እዩ፣ኣብ ቅድሚ ብዙሓት እውን ክውድሶ እየ።+ 31 ንሱስ ንድኻ ኻብቶም ዚዅንንዎ ኼድሕኖ፡*ኣብ የማኑ ደው ይብል። 42 እራብ ርባታት ማይ ከም እትናፍቕ፡ኦ ኣምላኽ፡ ኣነ* እናፍቐካ ኣለኹ። 2 ንኣምላኽ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ እጸምኦ ኣለኹ።*+ መዓስ መጺአ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክርአ እየ፧+ 3 መዓልትን ለይትን ንብዓተይ ቀለበይ ኰይኑ፣ምሉእ መዓልቲ፡ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧” እናበሉ የባጭዉለይ።+ 4 ምስ ብዙሓት እመላለስ ነይረ እየ እሞ፡እዚ ነገራት እዚ እዝክር፡ ነፍሰይ* ድማ አፍስስ ኣለኹ፣ብድምጺ እልልታን ብምስጋናንእቶም በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ፡ብቑም ነገር* ቀቅድሚኦም ናብ ቤት ኣምላኽ እኸይድ ነይረ።+ 5 ነፍሰየ፡* ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧+ ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧ ዓብዪ መድሓንየይ ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+ 6 ኦ ኣምላኸይ፡ ተስፋ ቐቢጸ ኣለኹ።*+ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፡ ካብ ዝባን ሄርሞን፡ካብ ከረን ሚጻር*ዝዝክረካ ስለዚ እየ።+ 7 ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ፡መዓሙቝ ማያት ንመዓሙቝ ማያት ይጽውዖ። ኵሉ ብርቱዕ ማዕበላትካ ውሒጡኒ።+ 8 የሆዋ ብመዓልቲ ብተኣማንነት ፍቕሩ ይህበኒ፡ብለይቲ ኸኣ መዝሙሩ፡—ንኣምላኽ ህይወተይ ዝጽለ ጸሎት፡—ምሳይ ይኸውን።+ 9 ንኣምላኽ፡ ንኸውሐይ፡“ስለምንታይ ረሲዕካኒ፧+ ስለምንታይከ ብሰንኪ ጭቈና ጸላእየይ ጕህየ ዝመላለስ፧” ክብሎ እየ።+ 10 ጸላእተይ ናብ ቅትለት ብዜብጽሕ ጽልኢ* የባጭዉለይ፣ምሉእ መዓልቲ፡ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧” እናበሉ የባጭዉለይ።+ 11 ነፍሰየ፡* ስለምንታይ ኢኺ ተስፋ ቐቢጽኪ፧ ስለምንታይከ ኣብ ውሽጠይ ትርበሺ ኣለኺ፧ ዓብዪ መድሓንየይን ኣምላኸይን ብምዃኑ ኽውድሶ እየ እሞ፡ንኣምላኽ ተጸበይዮ።+ 102 ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+ኣውያተይ ከኣ ኣባኻ ይብጻሕ።+ 2 ብግዜ ጭንቀይ ገጽካ ኣይትሕብኣለይ።+ እዝንኻ ኣድንነለይ፣*ክጽውዓካ ኸለኹ፡ ቀልጢፍካ መልሰለይ።+ 3 መዓልትታተይሲ ኸም ትኪ ይበንና ኣለዋ፣ኣዕጽምተይ ድማ ከም መጋርያ ሓሪሩ።+ 4 ምግበይ ምብላዕ ረሲዐ እየ እሞ፡ልበይ ከም ሳዕሪ ተወቒዑን ጸምልዩን።+ 5 ዓው ኢለ ኻብ ምግዓረይ እተላዕለ፡+ኣዕጽምተይ ምስ ስጋይ ተላጊቡ።+ 6 ሓሓት በረኻ መሲለ፣ከም ንእሽቶ ጕንጓ ኣብ ዑናታት ኰይነ። 7 ሰለም ከየበልኩ በጥ እብል፣*ከምታ ኣብ ናሕሲ በይና ዘላ ዑፍ ኰይነ።+ 8 ጸላእተይ ምሉእ መዓልቲ የባጭዉለይ።+ እቶም ዜላግጹለይ ብስመይ ይረግሙ። 9 ንሓምዅሽትስ ከም እንጌራ እበልዖ ኣለኹ፣+መስተይ እውን ምስ ንብዓት እተሓወሰ እዩ።+ 10 ብምኽንያት ኵራኻን ቍጥዓኻንሲ፡ኣልዒልካ ደርቢኻኒ። 11 መዓልትታተይ ከም ዚሃስስ* ጽላሎት እየን፣+ኣነ ድማ ከም ሳዕሪ እጽምሉ ኣለኹ።+ 12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፣+ዝናኻ* ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።+ 13 ንዓኣ ሞገስካ እተርእየሉ ግዜ፡+እቲ ምዱብ ግዜ በጺሑ እዩ እሞ፡+ብርግጽ ክትትንስእን ንጽዮን ክትምሕራን ኢኻ።+ 14 ከመይሲ፡ ገላዉኻ ብኣእማና ባህ ይብሎም፡+ንሓመዳ እውን ይፈትውዎ እዮም።+ 15 ኣህዛብ ንስም የሆዋ፡ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ንኽብርኻ ኺፈርህዎ እዮም።+ 16 የሆዋ ንጽዮን ዳግም ኪሃንጻ እዩ፣+ብኽብሩ ኺግለጽ እዩ።+ 17 ንጸሎት ነዳያት ኬቕልበሉ እዩ፣+ንጸሎቶም ኣይኪንዕቆን እዩ።+ 18 እቲ ገና ዚውለድ* ህዝቢ ንያህ ምእንቲ ኺውድሶ፡እዚ ነቲ ዚመጽእ ወለዶ እዩ ተጻሒፉ።+ 19 ካብቲ ቕዱስ ላዕሉ ኣንቈልቊሉ ይጥምት፣+የሆዋ ኻብ ሰማያት ናብ ምድሪ ይርኢ፣ 20 በዚ ኸምዚ፡ እህህታ እሱር ይሰምዕ፣+ነቶም ንሞት እተፈርዶም ይፈትሖም።+ 21 ስም የሆዋ ኣብ ጽዮን፡ውዳሰኡ ድማ ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ኺንገር ከምኡ ይገብር።+ 22 ነዚ ኸኣ ህዝብታትን መንግስትታትንንየሆዋ ንምግልጋል ምስ ተኣከቡ እዩ ዚገብሮ።+ 23 ንሓይለይ ቅድሚ ግዜኡ ኣድኪምዎ፣ንመዓልትታተይ ኣሕጺርወን። 24 ኣነ ድማ ከምዚ ኢለ፦ “ኦ ኣምላኸይ፡ኣታ ዓመታቱ ንውሉድ ወለዶ ዝዀንካ፡+ኣብ ፍርቂ ህይወተይ ኣይተጥፍኣኒ። 25 ጥንቲ፡ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።+ 26 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም። ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ፣ ኪሓልፉ እውን እዮም። 27 ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ።+ 28 ደቂ ገላዉኻ ብደሓን ኪነብሩ፡ዘርኦም ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዕ እዩ።”+ 148 ንያህ ወድስዎ!* ንየሆዋ ኻብ ሰማያት ወድስዎ፣+ኣብ ላዕሊ ወድስዎ። 2 ኵልኹም መላእኽቱ፡ ወድስዎ።+ ኵልኹም ሰራዊቱ፡ ወድስዎ።+ 3 ኣትን ጸሓይን ወርሕን፡ ወድሳኦ። ኵልኹም እትበርሁ ኸዋኽብቲ፡ ወድስዎ።+ 4 ኣቱም ሰማየ ሰማያትንኣቱም ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን፡ ወድስዎ። 5 ንሱ ኣዚዙስ፡ ተፈጢሮም እዮም እሞ፡+ንስም የሆዋ ይወድስዎ። 6 ንዘለኣለመ ኣለም ሰረቶም፣+ዘይሓልፍ ስርዓት ከኣ ኣውጽኣሎም።+ 7 ንየሆዋ ኻብ ምድሪ ወድስዎ፣ኣቱም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን ኣቱም መዓሙቝ ማያትን፡ 8 ኣቱም በርቅን በረድን ውርጭን ከቢድ ደበናታትን፡ኣታ ቓሉ እትፍጽም ህቦብላ ንፋስ፡+ 9 ኣቱም ኣኽራንን ኣቱም ኵርባታትን፡+ኣቱም ፈረይቲ ኣእዋምን ኵልኹም ቄድሮሳትን፡+ 10 ኣቱም እንስሳታት ዘገዳምን+ ኵልኹም እንስሳታት ዘቤትን፡ኣቱም ለመምትን ኣትን ኣኽናፍ ዘሎክን ኣዕዋፍን፡ 11 ኣቱም ነገስታት ምድርን ኵልኹም ኣህዛብን፡ኣቱም መሳፍንትን ኵልኹም ፈራዶ ምድርን፡+ 12 ኣቱም ኣጕባዝን ኣትን ጐራዙትን፡*ኣቱም ዓበይትን ንኣሽቱን ብሓባር ወድስዎ። 13 ስሙ በይኑ ዘይብጻሕ ልዑል እዩ እሞ፡ንስም የሆዋ ይወድስዎ።+ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ምድርን ሰማይን እዩ።+ 14 ንውዳሰ ዅሎም እሙናቱ፡ንደቂ እስራኤል፡ ነቶም ዚቐርብዎ ህዝቢ ኢሉ፡ብርታዐ* ህዝቡ ልዕል ኬብል እዩ። ንያህ ወድስዎ!* 112 ንያህ ወድስዎ!*+ א [ኣሌፍ] ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብ ሕጉስ እዩ፣+ב [ቤት] ንሱ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ይብሎ።+ 2 ዘርኡ ኣብ ምድሪ ሓያል ይኸውን፣ד [ዳሌጥ] ወለዶ ቕኑዓት ከኣ ኪባረኽ እዩ።+ 3 ጥሪትን ሃብትን ኣብ ቤቱ እዩ፣ו [ዋው] ጽድቁ ድማ ንዘለኣለም ይነብር። 4 ንቕኑዓት ከኣ፡ ኣብ ጸልማት ከም ብርሃን ይበርሃሎም።+ ח [ሔት] ርሕሩሕን* መሓርን+ ጻድቕን እዩ። 5 ብልግሲ* ዜለቅሕ ሰብ ጽቡቕ ይዀነሉ።+ י [ዮድ] ነገሩ ብፍትሒ ይገብር። 6 ከቶ ኣይኪናወጽን እዩ።+ ל [ላሜድ] ጻድቕ ንዘለኣለም ይዝከር።+ 7 ክፉእ ወረ ኣይፈርህን እዩ።+ נ [ኑን] ልቡ ጽኑዕ፡ ብየሆዋ ድማ ዚእመን* እዩ።+ 8 ልቡ ዘይናወጽ* እዩ፣ ንሱ ኣይፈርህን እዩ።+ ע [ዓይን] ኣብ መወዳእታ ንተጻረርቱ ብዓወት ኪርእዮም እዩ።+ 9 ብሰፊሑ ዓዲሉ፣ ንድኻታት ሂቡ።+ צ [ጻዴ] ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር።+ ק [ቆፍ] ብርታዐኡ* ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ። 10 እኩይ ነዚ ርእዩ ኺሓርቕ እዩ። ש [ሺን] ኣስናኑ ኺሕርቅም፡ ንሱ እውን ኪሓቅቕ እዩ። ת [ታው] ትምኒት እኩያት ኪጠፍእ እዩ።+ 78 ኦ ህዝበይ፡ ንሕገይ* ጽን በሎ፣እዝንኻ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን። 2 ኣፈይ ብምስላ ክኸፍት እየ። ናይ ቀደም ሕንቅሕንቅሊተያት ክብል እየ።+ 3 እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፡ኣቦታትና እውን ዘዘንተዉልና፡+ 4 ካብ ደቆም ኣይክንሓብኦን ኢና፣እቲ ዚንኣድ ግብርታት የሆዋን ብርታዐኡን፡+እቲ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገራት፡+ንዚመጽእ ወለዶ ኸነዘንትዎ ኢና።+ 5 ንሱ ኣብ ያእቆብ መዘኻኸሪ ኣቘመ፣ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ገበረ። ነዚ ንደቆም ኬፍልጡ ድማ፡ንኣቦታትና ኣዘዞም።+ 6 በዚ ኸምዚ፡ እቲ ዚመጽእ ወለዶ፡እቶም ገና ዚውለዱ ደቂ፡ ነዚ ይፈልጥዎ።+ ንሳቶም ድማ ብተራኦም ንደቆም የዘንትውዎ።+ 7 ሽዑ፡ እዚኣቶም እምንቶኦም ኣብ ኣምላኽ ይገብሩ። ግብርታት ኣምላኽ ኣይርስዑን፣+ትእዛዛቱ እውን ይሕልዉ።+ 8 ሽዑ፡ ከም ኣቦታቶም፡ከምቲ ነቓጽን ዓላውን ወለዶ፡+ከምቲ ልቡ ዘይጸንዐ፡*+መንፈሱ ድማ ንኣምላኽ እሙን ዘይነበረ ወለዶ ኣይኰኑን። 9 ደቂ ኤፍሬም ቀስቲ ዓጢቖም ነበሩ፣ግናኸ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣንሰሓቡ። 10 ኪዳን ኣምላኽ ኣይሓለዉን፣+ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ።+ 11 ንግብርታቱን+ነቲ ዘርኣዮም ዜደንቕ ተግባራቱን እውን ረስዕዎ።+ 12 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም፡+ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ዞባ ጾዓን ድንቂ ነገራት ገበረ።+ 13 ኬሕልፎም ኢሉ ባሕሪ መቐለ፣ማያት ድማ ከም ግድብ* ኣቘመ።+ 14 መዓልቲ ብደበና፡ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።+ 15 ኣብ በረኻ፡ ኣኻውሕ ጨደደ፣ከም ካብ መዓሙቝ ማያት ከኣ ክሳዕ ዚረውዩ ኣስተዮም።+ 16 ካብ ከውሒ ወሓይዝ ኣውጽአ፣ማያት ድማ ከም ኣፍላግ ኣውሓዘ።+ 17 ንሳቶም ግና ኣብ ምድረ በዳ ኻብቲ ልዑል ብምዕላው፡ንዕኡ በደልዎ።+ 18 ዝሃረፍዎ ምግቢ* ብምሕታት፡ብልቦም ንኣምላኽ ፈተንዎ።+ 19 “ኣምላኽዶ ኣብ በረኻ መኣዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ፧”+ ኢሎም ኣንጻር ኣምላኽ ተዛረቡ። 20 ማያት ኪፍልፍልን ወሓይዝ ኪውሕዝንሲ፡እንሆ፡ ንሱ ኸውሒ ወቕዐ።+ “እንጌራኸ ኺህበናዶ ይኽእል እዩ፧ ወይስ ንህዝቡ ስጋዶ ኼዳሉ ይኽእል እዩ፧”+ 21 የሆዋ ምስ ሰምዖም፡ ተቘጥዐ፣+ኣብ ያእቆብ ሓዊ+ ነደደ፣ቍጥዓኡ እውን ኣብ እስራኤል ተባርዐ፣+ 22 ከመይሲ፡ ብኣምላኽ ኣይኣመኑን፣+ኬድሕኖም ከም ዚኽእል እውን ብእኡ ኣይተኣመኑን።* 23 ስለዚ፡ ንሱ ኣብ ላዕሊ ድብንብን ንዚብል ሰማያት ኣዘዞ፣መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፈተ። 24 ኪበልዑስ ማና ኣዝነመሎም፣እኽሊ ሰማይ እውን ሃቦም።+ 25 ሰባት እንጌራ ሓያላት* በልዑ፣+ክሳዕ ዚጸግቡ ድማ ዚኣክል ሃቦም።+ 26 ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማያት ኣለዓዓለ፣ብሓይሉ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣንፈሰ።+ 27 ስጋ ኸኣ ከም ሓመድ፡ኣዕዋፍ እውን ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝነመሎም። 28 ኣብ ማእከል ሰፈሮም፡ኣብ ዙርያ ድንኳናቱ ኣርገፈሎም። 29 በልዑን ኣመና ጸገቡን፣ከም ትምኒቶም እውን ሃቦም።+ 30 ህርፋኖም ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምርዋዮም ግና፡ምግቦም ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፡ 31 ቍጥዓ ኣምላኽ ኣባታቶም ነደደ።+ ንብርቱዓቶም ከኣ ቀተሎም፣+ንኣጕባዝ እስራኤል እውን ኣውደቖም። 32 እዚ ገይሩ ኽነሱ ግና መሊሶም ሓጥኡ፣+በቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ድማ ኣይኣመኑን።+ 33 ስለዚ፡ ንመዓልትታቶም ከም ትንፋስ፡ንዓመታቶም እውን ብሃንደበታዊ ሽበራ ወድአን።+ 34 ኪቐትሎም ከሎ ግና፡ ይደልይዎ ነበሩ፣+ተመሊሶም ንኣምላኽ ይደልይዎ ነበሩ። 35 ኣምላኽ ከውሖም ምዃኑ፡+እቲ ልዑል ኣምላኽ እውን ተበጃዊኦም* ምዃኑ ዘከሩ።+ 36 ግናኸ፡ ብኣፎም ኬታልልዎ ፈተኑ፣ብልሳኖም እውን ሓሰውዎ። 37 ልቦም ምስኡ ኣይጸንዐን፣+ንኺዳኑ እውን እሙናት ኣይነበሩን።+ 38 ንሱ ግና ይምሕሮም ነበረ፣+ስሕተቶም ይሓድገሎም* ነበረ፡ ኣየጥፍኦምን እውን።+ ንዅሉ ነድሩ ኣብ ክንዲ ዜለዓዕሎ፡ንቝጥዓኡ ብዙሕ ሳዕ ገትኦ።+ 39 ከመይሲ፡ ስጋ ምዃኖም፡ነፊሱ ዚሓልፍ እሞ ዘይምለስ ንፋስ ምዃኖም ዘከረ።*+ 40 ኣብ በረኻስ ክንደይ ሳዕ ኰን እዮም ካብኡ ዝዓለዉ!+ ኣብ ምድረ በዳ እውን ኣጕሃይዎ!+ 41 ደጋጊሞም ንኣምላኽ ፈተንዎ፣+ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣሕዘንዎ።* 42 ሓይሉ* ኣይዘከሩን፣ካብ ተጻራሪ ዘናገፎም* መዓልቲ እውን ኣይዘከሩን።+ 43 ትእምርትታቱ ኣብ ግብጺ፡+ተኣምራቱ ኸኣ ኣብ ዞባ ጾዓን ከም ዝገበረ፡ 44 ካብ ወሓይዞም ከይሰትዩስ፡ንመትረባት ኒል ናብ ደም ከም ዝለወጦ ኣይዘከሩን።+ 45 ኪበልዕዎም ዕስለታት ጽንጽያ ኸልቢ፡+ኬጥፍኣኦም ድማ ቍርዖብ ሰደደሎም።+ 46 እኽሎም ንበላዒ ኣንበጣ፡ፍረ ጻዕሮም ከኣ ንዕስለ ኣንበጣ ሃቦ።+ 47 ንተኽሊ ወይኖም ብበረድ፡+ንኣእዋም ሳግላኦም ድማ ብኣእማን በረድ ኣጥፍአ። 48 መጽዓኛኦም ንበረድ፡+ማሎም ከኣ ንበርቂ* ኣሕሊፉ ሃበን። 49 ዚነድድ ኵራኡንነድርን ቍጥዓን ጭንቅንመዓት ዜምጽኡ ጭፍራ መላእኽትን ኣውረደሎም። 50 ንቝጥዓኡ መገዲ ጸረገሉ። ካብ ሞት ኣይነሓፎምን፣*ንለበዳ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም።* 51 ንዅሎም በዅሪ ግብጺ፡ነቶም መጀመርታ ስብእነቶም ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም።+ 52 ንህዝቡ ድማ ከም ኣባጊዕ ኣውጽኦም፣+ኣብ በረኻ እውን ከም መጓሰ መርሖም። 53 ብደሓን ከኣ መርሖም፡ኣይፈርሁን እውን፣+ባሕሪ ንጸላእቶም ከደኖም።+ 54 ናብታ ቕድስቲ ሃገሩ፡+ናብዚ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኣኽራን ኣምጽኦም።+ 55 ንኣህዛብ ድማ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፣+ብገመድ መለክዒ ገይሩ ርስቲ ብዕጫ ሃቦም፣+ንነገዳት እስራኤል ኣብ ኣባይቶም ኣስፈሮም።+ 56 ግናኸ፡ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ይፍትንዎ፡ ካብኡ እውን ይዓልዉ ነበሩ፣+ናብ መዘኻኸሪታቱ ኸኣ ኣየቕለቡን።+ 57 ኣላገሱ፡ ከም ኣቦታቶም እውን ጠለምቲ ነበሩ።+ ከም ዝዘለቐ ቐስቲ ዘየተኣማምኑ ዀኑ።+ 58 ብበረኽቶም ኣዀረይዎ፣+ብቕሩጽ ምስልታቶም ድማ ኣነደርዎ።*+ 59 ኣምላኽ ከኣ ሰሚዑ ተቘጥዐ፣+ንእስራኤል እውን ፈጺሙ ነዓቖ። 60 ነቲ ኣብ ሺሎ ዘሎ ማሕደር፡+ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዚሓድረሉ ድንኳን ከኣ ሓደጎ።+ 61 ንምልክት ብርታዐኡ ናብ ምርኮ ኪኸይድ ፈቐደ፣ንግርማኡ እውን ኣብ ኢድ ተጻራሪ ሃበ።+ 62 ንህዝቡ፡ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ሃቦም፣+ንርስቱ ድማ ተቘጥዖ። 63 ንኣጕባዙ ሓዊ በልዖም፣ንደናግሉ ኸኣ ደርፊ መርዓ ኣይተደርፈለንን።* 64 ካህናቱ ብሰይፊ ወደቑ፣+መበለታቶም እውን ኣይበኸያን።+ 65 ሽዑ፡ የሆዋ ኸም ካብ ድቃስ፡+ከምቲ ኻብ ስኽራን ወይኒ ዝነቕሐ ጅግና+ ተበራበረ። 66 ንተጻረርቱ ድማ ንድሕሪት መለሶም፣+ነባሪ ነውሪ እውን ኣሰከሞም። 67 ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፣ንነገድ ኤፍሬም ከኣ ኣይሓረዮን። 68 ንነገድ ይሁዳ፡+ነታ ዚፈትዋ ኸረን ጽዮን ግና ሓረያ።+ 69 ንመቕደሱ ኸም ሰማያት፡*+ከምታ ንዘለኣለም ዝሰረታ ምድሪ ጽንዕቲ ገበራ።+ 70 ንጊልያኡ ዳዊት ሓርዩ፡+ካብ ደምበ ኣባጊዕ ወሰዶ።+ 71 ነተን ዜጥብዋ ኣባጊዕ ካብ ምክንኻን ወሲዱ፡ኣብ ህዝቡ ያእቆብ፡+ኣብ ርስቱ እስራኤል፡ ጓሳ ገበሮ።+ 72 ንሱ ኸኣ ብንጽህና ልቢ ጓሰዮም፣+ብውሕሉል ኣእዳው እውን መርሖም።+ 131 ኦ የሆዋ፡ ልበይ ዕቡይ ኣይኰነን፣ኣዒንተይ ከኣ ልዑላት ኣይኰናን፣+እምብዛ ዓብዪ ነገርወይ ልዕሊ ዓቕመይ ኣይተመነኹን።+ 2 የግዳስ፡ ንነፍሰይ* ኣህዳእክዋ፡ ስቕ እውን ኣበልክዋ፣+ምስ ኣዲኡ ኸም ዘሎ ጡብ ዝሓደገ ሕጻን ገበርክዋ፣ጡብ ከም ዝሓደገ ሕጻን ዕጉብ እየ።* 3 ካብ ሕጂ ንዘለኣለም፡እስራኤል ንየሆዋ ይጸበዮ።+ 111 ንያህ ወድስዎ!*+ א [ኣሌፍ] ብምሉእ ልበይ ንየሆዋ ኽውድሶ እየ፣+ב [ቤት] ኣብ ኣኼባ ጕጅለ ቕኑዓትን ኣብ ጉባኤን ክውድሶ እየ። 2 ግብርታት የሆዋ ዓብዪ እዩ፣+ד [ዳሌጥ] እቶም ብእኡ ባህ ዚብሎም የጽንዕዎ።+ 3 ተግባሩ ኽቡርን ግርማውን እዩ፣ו [ዋው] ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር።+ 4 ንዜደንቕ ግብርታቱ ኸም ዚዝከር ይገብር።+ ח [ሔት] የሆዋ ርሕሩሕን* መሓርን እዩ።+ 5 ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም።+ י [ዮድ] ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።+ 6 ግብርታት ሓይሉ ንህዝቡ ገለጾ፣ל [ላሜድ] ርስቲ ኣህዛብ ብምሃብ ገለጾ።+ 7 ግብርታት ኣእዳዉ ሓቅን ፍትሕን እዩ፣+נ [ኑን] ኵሉ ትእዛዛቱ እሙን እዩ።+ 8 ሕጅን ንዘለኣለምን ዜተኣማምን* እዩ፣ע [ዓይን] ብሓቅን ብጽድቅን እተገብረ እዩ።+ 9 ንህዝቡ በጃ ሃቦም።+ צ [ጻዴ] ኪዳኑ ንዘለኣለም ኪኸውን ኣዘዘ። ק [ቆፍ] ስሙ ቕዱስን ዜፍርህን እዩ።+ 10 ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ።+ ש [ሲን] ኵሎም እቶም ትእዛዛቱ ዚሕልዉ፡* ጽቡቕ ልቦና ኣለዎም።+ ת [ታው] ውዳሰኡ ንዘለኣለም ይነብር። 143 ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+ናብ ልማኖይ ጽን በል። ብተኣማንነትካን ብጽድቅኻን መልሰለይ። 2 ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ ዝዀነ ህያው የልቦን እሞ፡+ምስ ጊልያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ። 3 ጸላእስ ይሰጕጐኒ ኣሎ፣*ንህይወተይ ናብ ምድሪ ደርብዩ ሓምሺሽዋ ኣሎ። ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ። 4 መንፈሰይ* ጠሊሙ፣+ልበይ ኣብ ውሽጠይ ደንዚዙ።+ 5 ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ንዅሉ ተግባርካ አስተንትነሉ፡+ብዛዕባ ግብሪ ኣእዳውካ ድማ ብህንጥዮት ኣጸቢቐ እሓስብ* እየ። 6 ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ፣ኣነስ ከምታ ንዓኻ ዝጸምአት ምድሪ ኣጻምእ እየ።*+ (ሴላ) 7 ኦ የሆዋ፡ ብርታዐይ* ተወዲኡ እዩ እሞ፡+ቀልጢፍካ መልሰለይ።+ ገጽካ ኣይትኸውለለይ፣+እንተ ዘይኰነስ፡ ከምቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ክኸውን እየ።+ 8 ብኣኻ እእመን* እየ እሞ፡ንግሆ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣስምዓኒ። ናባኻ እየ ዘብል እሞ፡*ዝኸደላ መገዲ ኣፍልጠኒ።+ 9 ኦ የሆዋ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። ዕቝባኻ እደሊ እየ።+ 10 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ፍቓድካ ኽገብር ምሃረኒ።+ መንፈስካ ጽቡቕ እዩ፣ብጥጡሕ ምድሪ* ይምርሓኒ። 11 ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ፡ ብህይወት ኣንብረኒ። ብጽድቅኻ ኻብ ጭንቂ ኣናግፈኒ።*+ 12 ኣነ ጊልያኻ እየ እሞ፡+በታ ብተኣማንነት እተርእያ ፍቕርኻ፡ ንጸላእተይ ወድኣዮም፣*+ንዅሎም እቶም ዜጨንቑኒ* ኣጥፍኣዮም።+ 39 “ብልሳነይ ምእንቲ ኸይሓጥእ፡ንስጕምተይ ክሕሉ እየ።+ እኩይ ኣብ ቅድመይ ክሳዕ ዘሎ፡ንኣፈይ ብልጓም ክሕሉ እየ” ኢለ ነይረ።+ 2 ዓባስ ኰይነ፡ ስቕ ድማ ኢለ፣+ብዛዕባ ጽቡቕ እኳ ኣጽቂጠ፣ስቓየይ ግና በርቲዑ።* 3 ልበይ ኣብ ውሽጠይ ፈኸም ኢሉ።* ከስተንትን* ከለኹ፡ ሓዊ ይነድድ ኣሎ። ልሳነይ ከኣ ተዛሪቡ፦ 4 “ኦ የሆዋ፡ ህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ከም ዝዀነት* ክፈልጥሲ፡መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን+እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍልጠኒ። 5 እንሆ፡ ንመዓልትታተይ ሒደት* ጌርካየን፣+ንውሓት ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ገለ እኳ ኣይኰናን።+ ብርግጽ ኵሉ ሰብ ጸኒዑ ዝቘመ እኳ እንተ መሰለ፡ ትንፋስ ጥራይ እምበር ገለ እኳ ኣይኰነን።+ (ሴላ) 6 ብርግጽ ኵሉ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ። ንኸንቱ ሃለኽለኽ ይብል።* መን ከም ዚጥቀመሉ ኸይፈለጠ፡ ሃብቲ ይድልብ።+ 7 ኦ የሆዋ፡ እንታይ ደኣ ተስፋ ኽገብር እየ፧ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ተስፋይ። 8 ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣድሕነኒ።+ መላገጺ ዓሻ ኣይትግበረኒ። 9 ዓባስ ኰይነ፣እዚ ስለ ዝገበርካ ኸኣ፡+ኣፈይ ክኸፍት ኣይከኣልኩን።+ 10 መዓትካ ኻባይ ኣርሕቕ። ኢድካ ትወቕዓኒ ስለ ዘላ፡ ደኺመ። 11 ስለ ስሕተቱ ንሰብ ብመቕጻዕቲ ትእርሞ፣+ነቲ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነገራት ከም ብልዒ* ትበልዖ። ብርግጽ ኵሉ ሰብ ትንፋስ ጥራይ እዩ።+ (ሴላ) 12 ኣነ ንዓኻ ጓና፡+ከም ኵሎም ኣቦታተይ ድማ ዚሓልፍ ተጓዓዚ* እየ እሞ፡+ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ናብ ኣውያተይ ድማ ጽን በል።+ ንንብዓተይ ዕሽሽ ኣይትበሎ። 13 ቅድሚ ምሕላፈይን ምጥፋአይንምእንቲ ኽሕጐስሲ፡ ብቝጥዓ ኣይትጠምተኒ።” 110 የሆዋ ንጐይታይ፡“ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።+ 2 የሆዋ ኻብ ጽዮን ዘንጊ ስልጣንካ ኺዝርግሕ፡“ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ከኣ ኪብል እዩ።+ 3 ብመዓልቲ ሰራዊትካ፡* ህዝብኻ ፈትዩ ኺመጽእ እዩ። ግርማዊ ቕድስና ለቢሶም፡ ካብ ከርሲ ወጋሕታ ዚወጹ፡ከም ኣውሊ ዝበሉ ጭፍራ መንእሰያት ኣለዉኻ። 4 የሆዋ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅንዘለኣለም ካህን ኢኻ!”+ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ።* 5 የሆዋ ኣብ የማንካ ኪኸውን፡+ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ድማ ንነገስታት ኪጭፍልቖም እዩ።+ 6 ኣብ ልዕሊ* ኣህዛብ ፍርዲ ኺፍጽም፣+ነታ ምድሪ ብሬሳታት ኪመልኣ እዩ።+ ንመራሒ* ገፋሕ ምድሪ* ኺጭፍልቖ እዩ። 7 ንሱ* ኣብ ጥቓ መገዲ ኻብ ዘሎ ወሓዚ ኺሰቲ እዩ። ስለዚ፡ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ። 85 ኦ የሆዋ፡ ንምድርኻ ሞገስ ኣርኢኻያ፣+ነቶም ካብ ያእቆብ ናብ ምርኮ እተወስዱ፡ መሊስካዮም።+ 2 ስሕተት ህዝብኻ ሓዲግካ፣*ኵሉ ሓጢኣቶም እውን ይቕረ ኢልካ።+ (ሴላ) 3 ኵሉ ነድርኻ ገቲእካዮ፣ካብ ረስኒ ቝጥዓኻ ድማ ተመሊስካ።+ 4 ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡ ምለሰና፣ጓሂኻ ኻባና ኣልግሶ።+ 5 ንዘለኣለምዶ ብኣና ኽትንድር ኢኻ፧+ ንውሉድ ወለዶዶ ኽትቍጥዓና ኢኻ፧ 6 ህዝብኻ ብኣኻ ምእንቲ ኺሕጐሱስ፡መሊስካዶ ህያዋን ኣይክትገብረናን ኢኻ፧+ 7 ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት ኣፍቅረና፣ድሕነትካ እውን ሃበና።+ 8 ንሱ ንህዝቡን ንእሙናቱን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፡+ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ፣ንሳቶም ደኣ ተመሊሶም እምብዛ ብርእሶም ኣይተኣማመኑ።+ 9 ክብሩ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኺነብርሲ፡ድሕነቱ ነቶም ዚፈርህዎ ብርግጽ ቀረባኦም እዩ።+ 10 ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኪራኸባ፡ጽድቅን ሰላምን እውን ኪሳዓዓማ እየን።+ 11 ተኣማንነት ካብ ምድሪ ኽትበቍል፡ጽድቂ ድማ ካብ ሰማያት ኣንቈልቊላ ኽትጥምት እያ።+ 12 እወ፡ የሆዋ ጽቡቕ ዘበለ ኺህበና እዩ፣+ምድርና ኸኣ ፍሪኣ ኽትህብ እያ።+ 13 ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፡+ንስጕምትታቱ እውን መገዲ ኸተውጽእ እያ። 108 ኦ ኣምላኽ፡ ልበይ ጽኑዕ እዩ። ብዅለንትናይ* ክዝምርን ከዝይምን እየ።+ 2 ኦ በገና፡ ንስኺ እውን ኦ መሰንቆ፡* ንቕሒ።+ ንወጋሕታ ኸንቅሖ እየ። 3 ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክውድሰካ፡ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ። 4 ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻስ ዓብዪ፡ ክሳብ ሰማያት፡+ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ጠፈር እዩ። 6 ፍቑራትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፡ብየማነይቲ ኢድካ ኣድሕነና፡ መልሰለይ እውን።+ 7 ኣምላኽ ብቕድስናኡ* ተዛሪቡ፦ “ክፍሳህ፡ ንሴኬም+ ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣ንስንጭሮ* ሱኮት+ ከኣ ክልክዖ እየ። 8 ጊልዓድ+ ናተይ እዩ፣ ምናሴ እውን ናተይ እዩ፣ኤፍሬም ቍራዕ* ርእሰይ እዩ፣+ይሁዳ ዘንጊ ኣዛዝየይ እዩ።+ 9 ሞኣብ ዝሕጸበሉ ገበራ እዩ።+ ኣብ ልዕሊ ኤዶም ሳእነይ ክድርቢ እየ።+ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤም ብዓወት ክጭድር እየ።”+ 10 ናብታ እተዓርደት ከተማ መን ኬምጽኣኒ እዩ፧ ክሳብ ኤዶምከ መን ኪመርሓኒ እዩ፧+ 11 ኣታ ደርቢኻና ዘለኻ ኣምላኽ፡ኣታ ምስ ሰራዊትና ዘይትወጽእ ዘለኻ ኣምላኽና፡ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 12 ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ እሞ፡+ብግዜ ጭንቅና ርድኣና።+ 13 ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና፣+ንሱ ድማ ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።+ 129 “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዞም ብዙሕ ሳዕ ኣጥቂዖምኒ እዮም፣”+—ሕጂ እስራኤል ይበል፡— 2 “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዞም ብዙሕ ሳዕ ኣጥቂዖምኒ እዮም፣+ግናኸ፡ ኣይሰዓሩንን።+ 3 ሓረስቶት ኣብ ዝባነይ ሓሪሶም፣+ነግሕታቶም ኣንዊሖም።” 4 የሆዋ ግና ጻድቕ እዩ፣+ኣግማድ እኩያት በተኸ።+ 5 ኵሎም እቶም ንጽዮን ዚጸልእዋ፡ኪሓፍሩን ብውርደት ኬንሳሕቡን እዮም።+ 6 ከይተማሕወ ኸም ዚጽምሉሳዕሪ ናሕሲ ኪዀኑ እዮም፣ 7 ንሱ ኢድ ዓጻዲ ዀነ፡ሕቝፊ ኣካቢ እንዳእቲ ዘይመልእ እዩ። 8 ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡“በረኸት የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም ይኹን፣ብስም የሆዋ ንባርኸኩም ኣለና” ኣይኪብሉን እዮም። 55 ኦ ኣምላኽ፡ ንጸሎተይ ጽን በል፣+ነቲ ምሕረት ንምርካብ ዘቕርቦ ልማኖይ ድማ ዕሽሽ ኣይትበሎ።*+ 2 ኣቕልበለይን መልሰለይን።+ ብሻቕሎተይ ዕረፍቲ ስኢነ፡+ተረቢጸ ኣለኹ፣ 3 እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ጸላእየይ ዚብሎ ዘሎ፡ብሰንኪ እቲ ኻብቲ እኩይ ዚወርደኒ ዘሎ ጸቕጢ እዩ። ንሳቶምሲ ሽግር ኣብ ልዕለይ ኰሚሮምለይ ኣለዉ፣ብቝጥዓ ድማ ይጸልኡኒ ኣለዉ።+ 4 ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፣+ብሽበራ ሞት ከኣ ተዋሒጠ ኣለኹ።+ 5 ፍርህን ራዕድን መጺኡኒ፡ምንቅጥቃጥ ድማ ሒዙኒ ኣሎ። 6 “ኣየ፡ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወኒ! ነፊረ ብደሓን ምነበርኩ ነይረ። 7 እንሆ፡ ኣርሒቐ ምሃደምኩ ነይረ።+ ኣብ በረኻ እውን ምሓደርኩ ነይረ።+ (ሴላ) 8 ካብ ብርቱዕ ንፋስ፡ ካብ ህቦብላናብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ ነይረ” እብል። 9 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ከተማ፡ ዓመጻን ግጭትን ርእየ እየ እሞ፡ኣዐውኖም፡ ውጥናቶም ከኣ ኣፍሽል።*+ 10 መዓልትን ለይትን ኣብ መካበብያኣ ይዞሩ፣ኣብ ውሽጣ ሕሰምን ሽግርን ኣሎ።+ 11 ኣብ ማእከላ ዕንወት ኣሎ፣ጭቈናን ምትላልን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን።+ 12 እቲ ዜባጭወለይሲ ጸላኢ ኣይኰነን፣+እንተ ዚኸውንሲ ምተዓገስኩ። እቲ ዝተንስኣኒ ኸኣ፡ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣እንተ ዚኸውንሲ ኻብኡ ምተሓባእኩ። 13 ግናኸ፡ ንስኻ ኸማይ ዝዀንካ ሰብ፡*+ኣጸቢቐ ዝፈልጠካ ብጻየይ ኢኻ።+ 14 ብሓባር ጽቡቕ ዕርክነት ነስተማቕር ኔርና፣ምስ ብዙሓት ድማ ናብ ቤት ኣምላኽ ንኸይድ ኔርና። 15 እከይ ኣብ መንጎኦምን ኣብ ውሽጦምን ኣሎ እሞ፡ጥፍኣት ይውረዶም!+ ብህይወቶም ከለዉ እውን ናብ መቓብር* ይውረዱ፣ 16 ኣነ ግና ንኣምላኽ ክጽውዖ እየ፣የሆዋ ኸኣ ኬድሕነኒ እዩ።+ 17 ምሸትን ንግሆን ቀትርን፡ እርበሽን እግዕርን* እየ፣+ንሱ ድማ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።+ 18 ብዙሓት መጺኦምኒ እዮም እሞ፡ኬናግፈንን* ካብቶም ዚብኣሱኒ ሰላም ኪህበንን* እዩ።+ 19 እቲ ኻብ ቀደም ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ኣምላኽ+ኪሰምዖምን ኪምልሰሎምን እዩ።+ (ሴላ) እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርህዎ፡ምልዋጥ ኪኣብዩ እዮም።+ 20 ንሱ* ነቶም ምስኡ ሰላም ዘለዎም ኣጥቂዕዎም፣+ንኺዳኑ ድማ ጥሒስዎ።+ 21 ቃላቱ ኻብ ጠስሚ ይለዝብ፣+ኣብ ልቡ ግና ግጭት ኣሎ። ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ግናኸ፡ እተመልሐ ኣስያፍ እዩ።+ 22 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣+ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ።+ ንጻድቕ ኪወድቕ* ከቶ ኣይሓድጎን እዩ።+ 23 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ግና ናብ ዝዓመቘ ጕድጓድ ከተውርዶም ኢኻ።+ እቶም ዕዳ ደም ዘለዎምን መታለልትን ሰባት፡ ፍርቂ ዕድሚኦም ኣይኪነብሩን እዮም።+ ኣነ ግና ብኣኻ እእመን* እየ። 98 ዜደንቕ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።+ የማናይ ኢዱ፡ እቲ ቕዱስ ቅልጽሙ፡ ድሕነት* ኣምጺኡ።+ 2 የሆዋ ድሕነቱ ኣፍሊጡ፣+ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገሊጹ።+ 3 ንቤት እስራኤል ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ዘኪሩ።+ ኵሉ ወሰናት ምድሪ፡ ኣምላኽና ዝገበሮ ድሕነት* ርእዩ።+ 4 ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ። ተሓጐሱ፡ እልል በሉ፡ ውዳሰ እውን ዘምሩ።*+ 5 ንየሆዋ ብመሰንቆ፡*ብመሰንቆን ብጥዑም መዝሙርን ውዳሰ ዘምሩሉ።* 6 ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ንጉስ፡ብመለኸትን ብደሃይ መለኸት ቀርንን ጭድርታ ዓወት ጨድሩ።+ 7 ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን፡ምድርን* ኣብኣ ዚቕመጡን የንጐድጕዱ። 8 ኣፍላግ ብኣእዳዎም የጣቕዑ፣ኣኽራን ሓቢሮም እልል ይበሉ፣+ 9 ንሱ ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ ኣሎ* እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበሉ። ንዓለም* ብጽድቂ፡+ንህዝብታት እውን ብቕንዕና ኺፈርድ እዩ።+ 17 ካብ ድግስ* ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ቍራስ እንጌራ ምስ ሰላም* ይሓይሽ።+ 2 ልቦና ዘለዎ ጊልያ ዜሕፍር ንዝግብሩ ውሉድ ይገዝኦ፣ከም ሓደ ኻብ ኣሕዋት ከኣ ካብ ርስቲ ይካፈል። 3 መምከኺ ቝራዕ ንብሩር፡ እቶን ድማ ንወርቂ እዩ፣+ንልቢ ዚምርምሮ ግና የሆዋ እዩ።+ 4 እኩይ ንጐዳኢ ዘረባ የቕልበሉ፣መታለሊ ኸኣ ንኽፍእቲ ልሳን ይሰምዓ።+ 5 ንድኻ ዜላግጸሉ ንገባሪኡ ይጸርፎ፣+ብጥፍኣት ካልእ ዚሕጐስ ድማ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን።+ 6 ደቂ ደቂ ንኣረገውቲ ዘውዶም እዮም፣ኣቦታት* ከኣ ንደቆም ክብሪ እዮም። 7 ቅኑዕ* ዘረባ ንዓሻ ዚግብኦ ኣይኰነን።+ ዘረባ ሓሶት ግዳ ንገዛኢ* ኽንደይ ዝገደደ ዘይግባእ ዘይከውን!+ 8 ህያብ ንዋናኡ ኸም ክቡር እምኒ* እዩ፣+ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ የስልጠሉ።+ 9 ኣበሳ ዚሓድግ፡* ፍቕሪ ይደሊ፣+ንነገር መመሊሱ ዜልዕሎ ግና ናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ።+ 10 ካብ ሚእቲ መውቃዕቲ ንዓሻስ፡+መግናሕቲ ኣብ ብዓል ኣእምሮ ዝዓመቘ ጦብላሕታ ይሓድግ።+ 11 ክፉእ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፣ጨካን ልኡኽ ከኣ ኪቐጽዖ ይለኣኽ።+ 12 ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዜጓንፈካስ፡ኰራዅራ ዝጠፍእዋ ድቢ ኸተጓንፈካ ይሓይሽ።+ 13 ሰብ ኣብ ክንዲ ጽቡቕሲ ኽፉእ ምስ ዚፈዲ፡ክፉእ ካብ ቤቱ ኣየልግስን።+ 14 ምጅማር ባእሲ ኸም ምኽፋት ኣፍ ደገ ውሒዝ* እዩ፣ቈየቛ ኸይተላዕለ ርሓቕ።+ 15 ንእኩይ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡+—ክልቲኦም ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እዮም። 16 ዓሻስ ጥበብ ንምጥራይ ልቢ ዘይብሉ ኽነሱ፡*ኬጥርያ ዜኽእሎ ዓቕሚ እንተ ኣለዎ እንታይ ይጠቅም፧+ 17 ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣+ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።+ 18 ልቢ ዘይብሉ ሰብ ኢድ ይጠቅዕ እሞ፡ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኺውሓስ ይሰማማዕ።+ 19 ግጭት ዚፈቱ፡ ኣበሳ ይፈቱ።+ ኣፍ ደጊኡ ዜበርኽ፡ ውድቀት ይዕድም።+ 20 ቄናን ዝልቡ ኣሳልጦ* ኣይረክብን፣+ብምትላል ዚዛረብ ድማ፡ ናብ ጥፍኣት ይወድቕ። 21 ዓሻ ወዲ ዝወለደ፡ ይጕሂ፣ኣቦ ሃላይ እውን ኣይሕጐስን።+ 22 ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣*+ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ።*+ 23 እኩይሲ መገዲ ፍትሒ ንምቕናን፡ብሕቡእ* ጉቦ ይወስድ።+ 24 ጥበብ ብቐጥታ ኣብ ቅድሚ ኣስተውዓሊ ሰብ እያ፣ኣዒንቲ ዓያሹ ግና ናብ ወሰናት ምድሪ የብላ።+ 25 ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ የጕህዮ፣ንወላዲቱ ኸኣ ጓሂ ልቢ* እዩ።+ 26 ንጻድቕ ምቕጻዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፣ንኽቡራት ምግራፍ ድማ ቅኑዕ ኣይኰነን። 27 ፍልጠት ዘለዎ፡ ቃላቱ ይገትእ፣+ኣስተውዓሊ ሰብ ከኣ ይሃድእ።*+ 28 ዓሻ እኳ ስቕ ምስ ዚብል፡ ከም ጥበበኛ፡ከናፍሩ ዚሓትም ድማ ከም ኣስተውዓሊ ይርአ። 30 ኣብ ቃላት ኣጉር ወዲ ያቄ ዚርከብ፡ ንሱ ንኢቲኤል፡ ንኢቲኤልን ንኡካልን፡ እተዛረቦ ኸቢድ መልእኽቲ። 2 ኣነስ ካብ ዝዀነ ሰብ ዝገደድኩ ደንቈሮ እየ፣+ሰብ ኪህልዎ ዚግባእ ኣእምሮ ድማ ይጐድለኒ እዩ። 3 ጥበብ ኣይተመሃርኩን፣ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ከኣ የብለይን። 4 ናብ ሰማይ ዝዓረገ እሞ ዝወረደ መን እዩ፧+ ንንፋስ ኣብ ከብዲ ኽልቲኡ ኢዱ ዝኣከበ መን እዩ፧ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝጠቕለሎ መን እዩ፧+ ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ዝሰረተ* መን እዩ፧+ ትፈልጦ እንተ ዄንካስ፡ ስሙ መን እዩ፧ ስም ወዱኸ መን እዩ፧ 5 ኵሉ ቓል ኣምላኽ ጽሩይ እዩ።+ ንሱ ነቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዋልታኦም እዩ።+ 6 ኣብ ቃላቱ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ፣+እንተ ዘይኰነስ ንሱ ኺገንሓካ፡ንስኻ እውን ሓሳዊ ዄንካ ኽትርከብ ኢኻ። 7 ክልተ ነገር እየ ዝልምነካ። ቅድሚ ሙማተይ ንዕአን ኣይትኽልኣኒ። 8 ሓቂ ዘይኰነን ሓሶትን ካባይ ኣርሕቕ።+ ድኽነት ኰነ ሃብቲ ኣይትሃበኒ። ግደይ ዝዀነ ምግቢ ጥራይ ኣብልዓኒ።+ 9 ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ “የሆዋ መን እዩ፧” ኸይብል፡+ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየሕስር፡* ከምኡ ግበረለይ። 10 ንጊልያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ፣እንተ ዘይኰነስ ንሱ ኺረግመካ እዩ፣ በዳሊ ዄንካ ድማ ክትርከብ ኢኻ።+ 11 ንኣቦኡ ዚረግም፡ንኣዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ ኣሎ።+ 12 ንጹህ ዝዀነ ዚመስሎ፡+ግናኸ ኻብ ርስሓቱ* ዘይጸረየ ወለዶ ኣሎ። 13 ኣዝየን ዕቡያት ዝኣዒንቱ፡ኣመና ምኩሕ ዝጠመተኡ ወለዶ ኣሎ።+ 14 ኣስናኑ ኣስያፍ፡ምንጋጋኡ ዚሓርድ ካራ ዝዀነ ወለዶ ኣሎ፣ንሱስ ንትሑታት ካብ ምድሪ፡ንድኻታት ከኣ ካብ መንጎ ሰባት ይውሕጦም።+ 15 ዓለቕትስ “ሃባ! ሃባ!” ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግቡስ ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፣“ይኣክል!” ዘይብሉ ድማ ኣርባዕተ ኣለዉ፦ 16 መቓብርን*+ መኻን ማሕጸንንማይ እተሓረመት ምድርን“ይኣክል!” ዘይብል ሓውን። 17 ነታ ንኣቦ እተላግጸሉ፡ ንኣደ ኸይትእዘዛ ኸኣ እትንዕቃ ዓይኒ፡+ኳዃት ስንጭሮ* ኺጕጥጕጥዋ፡ጨቓዊት ንስሪ ድማ ኪበልዕዋ እዮም።+ 18 ልዕሊ ዓቕመይ ዝዀነ* ሰለስተ ነገር ኣሎ፣ክርድኦ ዘይከኣልኩ ድማ ኣርባዕተ ኣሎ፦ 19 መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማያት፡መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡መገዲ ሰብኣይ ከኣ ምስ ጓል። 20 መገዲ ዘማዊት ሰበይቲ ኸምዚ እዩ፦ በሊዓ ኣፋ ትሕብስ፣“ሓንቲ በደል ኣይገበርኩን” ድማ ትብል።+ 21 ንምድሪ ዜንቀጥቅጣ ሰለስተ ነገር ኣሎ፣ክትጻወሮ ዘይትኽእል ከኣ ኣርባዕተ ነገር ኣሎ፦ 22 ባርያ ምስ ነገሰ፡+ዓሻ ምግቢ ምስ ጸገበ፡ 23 ጽልእቲ* ሰበይቲ ዚምርዓዋ ምስ ረኸበት፡ገረድ ድማ ንእመቤታ ምስ ተክኣታ።+ 24 ኣብ ምድሪ ኻብቶም ዝደቐቑ ዚብሃሉ ኣርባዕተ ነገራት ኣለዉ፡ግናኸ ብባህረት ጥበበኛታት* እዮም፦+ 25 ጻጸ ብርቱዓት ፍጡራት ኣይኰኑን፣*ግናኸ ምግቦም ብሓጋይ የዳልዉ።+ 26 ጊሐታት+ ሓያላት ፍጡራት ኣይኰናን፣*ግናኸ ኣባይተን ኣብ ኣኻውሕ ይሰርሓ።+ 27 ኣንበጣ+ ንጉስ የብሎምን፣ግናኸ ዅላቶም ብስርዓት* ንቕድሚት ይኸዱ።+ 28 ጥፍንቕ*+ ብእግሩ ይጠብቕ፣ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ከኣ ይኣቱ። 29 ማራኺ ኣሳጕማ ዘለዎም ሰለስተ ነገራት ኣለዉ፣ብኣካይዳኦም ዚማርኹ ድማ ኣርባዕተ ኣለዉ፦ 30 እቲ ኻብ እንስሳታት ዝሓየለ፡ካብ ዋላ ሓደ እውን ድሕር ዘይብል ኣንበሳ፣+ 31 ከልቢ ሃድን፣ ድቤላ፣ሰራዊቱ ምስኡ ዘሎ ንጉስ። 32 ብዕሽነት ርእስኻ ልዕል እንተ ኣቢልካ፡+ወይ ከምኡ ኽትገብር እንተ ሓሲብካ፡ኢድካ ኣብ ኣፍካ ግበር።+ 33 ከመይሲ፡ ከምቲ ጸባ እንተ ተሓቝነ፡ ልኻይ ዜውጽእ፡ኣፍንጫ ምስ ተሓስየ ድማ፡ ደም ዜውጽእ፡ከምኡ ኸኣ ቍጥዓ እንተ ተለዓዓለ፡ ባእሲ የምጽእ።+ 31 ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሃረቶ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ 2 ኣታ ወደይ፡ እንታይ እሞ፡ኣታ ውሉድ ከርሰይ፡ እንታይ እሞ፡ኣታ ወዲ መብጽዓይ፡ እንታይ እሞ ኽነግረካ እየ፧+ 3 ሓይልኻ ንኣንስቲ ኣይትሃብ፣+ንነገስታት ዜጥፍእ መገድታት ድማ ኣይትስዓብ።+ 4 ኦ ልሙኤል፡ ንነገስታት ኣይከውንን እዩ፣ወይኒ ምስታይሲ ንነገስታት ኣይከውንን እዩ፣“መስተይ ኣበይ ኣሎ፧” ምባል እውን ንገዛእቲ ኣይከውንን እዩ።+ 5 ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ፡መሰላት ትሑታት ድማ ከየቕንኑስ፡ ንዓታቶም ኣይከውንን እዩ። 6 ኣልኮላዊ መስተ ንዚጠፍኡ፡+ወይኒ ኸኣ ነቶም ኣብ መሪር ጭንቂ ዘለዉ* ሃብዎም።+ 7 ይስተዩ እሞ ድኽነቶም ይረስዑ፣ሽግሮም ድማ ደጊም ኣይዘክሩ። 8 ኣብ ክንዲ ዓባስ ተዛረብ፣ንመሰላት ኵሎም እቶም ዚጠፍኡ ኸኣ ተጣበቕ።+ 9 ተዛረብ እሞ ብጽድቂ ፍረድ፣ንመሰላት ትሑትን ድኻን ድማ ተጣበቕ።*+ 10 ክኢላ* ሰበይትስ መን ይረኽባ፧+ ዋጋኣ ኻብ ናይ ኣዕናቝ* ኣጸቢቑ ይኸብር። 11 ሰብኣያ ኻብ ልቡ ይኣምና፣ዋላ ሓንቲ ዋጋ ዘለዎ ነገር ከኣ ኣይጐድሎን። 12 ምሉእ መዓልትታት ህይወታ፡ክፉእ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ዓስቢ ተምጽኣሉ። 13 ጸምርን በፍታን ትረክብ፣ደስ ኢልዋ ብኣእዳዋ ትዓዪ።+ 14 ከም መራኽብ ነጋዳይ እያ፣+ምግባ ኻብ ርሑቕ ተምጽእ። 15 ገና ለይቲ ኸሎ ድማ ትትንስእ፣ንቤተ ሰባ ምግቢ ተቕርብ፣ንኣግራዳ ኸኣ ገግዲአን ትህበን።+ 16 ብዛዕባ ግራት ትሓስብ እሞ ትዕድጎ፣በቲ ብጻዕራ ዝረኸበቶ፡* ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል። 17 ንብርቱዕ ዕዮ ትዕጠቕ፣*+ቀላጽማ ድማ ተበርትዕ። 18 ንግዳ ዜኽስብ ምዃኑ ትርኢ፣መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። 19 ኣእዳዋ መዳወርያ የልዕላ፣ኣእዳዋ ኸኣ መፍተል ይሕዛ።*+ 20 ኢዳ ንትሑት ትዝርግሕ፣ኣእዳዋ ድማ ንድኻ ትኸፍት።+ 21 ቤተ ሰባ ዜምውቕ* ክዳውንቲ እተኸድኑ ስለ ዝዀኑ፡ብሰንኪ ውርጪ ብዛዕባ ቤተ ሰባ ኣይትጭነቕን። 22 ንርእሳ ምንጻፍ ዓራት ትገብር። ክዳና በፍታን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን እዩ። 23 ሰብኣያ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ፍሉጥ እዩ፣+ኣብኡ ኣብ መንጎ ዓበይቲ እታ ምድሪ ይቕመጥ። 24 ቀምሽ በፍታ ትገብርን ትሸይጥን፣ንነጋዶ ኸኣ ዕጣቓት ተቕርበሎም። 25 ብርታዐን ግርማን ትለብስ፣ንመጻኢ ድማ ብምትእምማን ትጥምቶ።* 26 ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፣+ሕጊ ለውሃት* ኣብ ልሳና ኣሎ። 27 ንጥፈት ቤተ ሰባ ትሕሉ፣እንጌራ ትህኪት ከኣ ኣይትበልዕን።+ 28 ደቃ ይትንስኡ እሞ ሕጕስቲ ይብልዋ፣ሰብኣያ ይትንስእ እሞ ይውድሳ። 29 ብዙሓት ክኢላታት* ኣንስቲ ኣለዋ፣ንስኺ ግና ንዅለን ትበልጽየን። 30 ውቃበ ሓሶት፡ ጽባቐ ድማ ሓላፊ* እዩ፣+ንየሆዋ እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትውደስ።+ 31 ስለቲ እትገብሮ፡ ዓስባ ሃብዋ፣*+ግብራ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ይወድሳ።+ 18 ንርእሱ ዚፈሊ፡ ህርፋኑ ይስዕብ፣ንዅሉ ግብራዊ ጥበብ ከኣ ይነጽጎ።* 2 ዓሻ ብምስትውዓል ባህ ኣይብሎን፣የግዳስ፡ ኣብ ልቡ ዘሎ እዩ ዚቐልዕ።+ 3 እኩይ ምስ ዚመጽእ፡ ንዕቀት እውን ይመጽእ፣ምስ ውርደት ድማ ሕስረት ኣሎ።+ 4 ቃላት ኣፍ ሰብ ዓሚቝ ማያት እዩ።+ ምንጪ ጥበብ፡ ዚውሕዝ ዛራ እዩ። 5 ምእንቲ እኩይ ኢልካ ኣድልዎ ምግባር፡+ወይ ንጻድቕ ፍትሒ ምኽላእ ጽቡቕ ኣይኰነን።+ 6 ዘረባ ዓሻ ናብ ቈየቛ ይመርሕ፣+ኣፉ ድማ መውቃዕቲ ይዕድም።+ 7 ኣፍ ዓሻ ጥፍኣቱ እዩ፣+ከናፍሩ ኸኣ መጻወድያ ህይወቱ* እየን። 8 ቃላት ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ፣*+ምስ ተዋሕጠ ኽሳብ ከብዲ ይወርድ።+ 9 ኣብ ዕዮኡ ዚህከ፡ሓው መጥፍኢ እዩ።+ 10 ስም የሆዋ ጽኑዕ ግምቢ እዩ።+ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ ይዕቈብ።*+ 11 ንሃብታምሲ ሃብቱ እተዓርደ ኸተማኡ እዩ፣ብሓሳቡ ኸኣ ከም ዜዕቍብ መካበብያ እዩ።+ 12 ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዑል እዩ።+ ትሕትና ድማ ቅድሚ ኽብሪ እያ።+ 13 ከይሰምዐ ዚምልስ፡ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ።+ 14 ሰብ ምስ ዚሓምም፡ መንፈሱ ይድግፎ፣+ንእተሰብረ መንፈስ* ግና መን ኪጾሮ ይኽእል፧+ 15 ልቢ ብዓል ኣእምሮ፡ ፍልጠት የጥሪ፣+እዝኒ ጥበበኛ ኸኣ ፍልጠት ትደሊ። 16 ንሰብ ህያቡ መገዲ ይኸፍተሉ፣+ናብ ዓበይቲ ድማ የእትዎ። 17 እቲ ሓደ ወገን መጺኡ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚምርምሮ፡+እቲ ቕድም ጕዳዩ ዜቕርብ ቅኑዕ ይመስል።+ 18 ዕጫ ምውዳቕ ንባእሲ መወዳእታ ይገብረሉ፣+ኣብ መንጎ ብርቱዓት ተጻረርቲ ድማ ይውስን።* 19 እተበደለ ሓው ካብ እተዓርደት ከተማ ብዝያዳ ይቃወም፣+ከም ተገዳማት ዕርዲ ዝበለ ባእሲ ኸኣ ኣሎ።+ 20 ከብዲ ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ይመልእ፣+ብፍረ ኸናፍሩ ድማ ይጸግብ። 21 ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን ልሳን እየን፣+እቶም ኪጥቀሙላ ዚፈትዉ፡ ፍሪኣ ይበልዑ።+ 22 ሕያወይቲ ሰበይቲ ዚረክብ፡ ጽቡቕ ይረክብ፣+ሞገስ* የሆዋ ኸኣ ይረክብ።+ 23 ድኻ ኺዛረብ ከሎ ይልምን፣ሃብታም ግና ብትሪ ይምልስ። 24 ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣+ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።+ 23 ምስ ንጉስ ክትበልዕ ምስ ተቐመጥካ፡ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ተጠንቂቕካ ኣስተብህል፣ 2 ዘይዓግብ ሸውሃት* እንተ ኣልዩካ፡ንጐረሮኻ ኻራ ግበረሉ።* 3 ዜታልል ምግቢ እዩ እሞ፡ነቲ ጥዑም ብልዑ ኣይትህረፎ። 4 ሃብቲ ኽትረክብ ኢልካ ኣይትድከም።+ ደው በል እሞ ኣእምሮ ግበር።* 5 ብርግጽ ከም ንስሪ ኣኽናፍ ኣውጺኡ ናብ ሰማይ ኪነፍር እዩ እሞ፡+ኣዒንትኻ ምስ ኣውደቕካሉ፡ ኣብኡ ኣይህሉን።+ 6 ምግቢ ጠማዕ* ኣይትብላዕ፣ነቲ ጥዑም ብልዑ ኣይትህረፎ። 7 ንሱስ ከም ተጸባጻቢ እዩ።* “ብላዕ፡ ስተ” ይብለካ፣ ካብ ልቡ ግና ኣይኰነን።* 8 ነታ ዝበላዕካያ ዅላሶ ኽትተፍኣ ኢኻ፣ናእዳኻ ድማ ከተባኽን ኢኻ። 9 ዓሻስ ቃላት ጥበብ ይንዕቕ እዩ እሞ፡+ኣብ ኣእዛኑ ኣይትዛረብ።+ 10 ናይ ቀደም ምልክት ዶብ ኣይተግዕዝ፣+ደረት ግራት ዘኽታማት ኣይትድፋእ። 11 ጠበቓኦምሲ* ብርቱዕ እዩ፣ንሱ ኺማጐተካ እዩ።+ 12 ልብኻ ናብ ተግሳጽ፡እዝንኻ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ። 13 ንቘልዓ* ኻብ ምግሳጽ ድሕር ኣይትበል።+ ብሻቦጥ እንተ ገሪፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ። 14 ካብ መቓብር* ምእንቲ ኸተድሕኖ፡*ብሻቦጥ ግረፎ። 15 ወደየ፡ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀይኑ፡ኣነ እውን ልበይ ይሕጐስ።+ 16 ከናፍርካ ቕኑዕ ምስ ዚዛረባ፡ውሽጠይ ይሕጐስ።* 17 ምሉእ መዓልቲ ንየሆዋ ፍርሃዮ እምበር፡+ልብኻ ብሓጥኣን ኣይቕናእ።+ 18 ሽዑስ፡ ብሩህ መጻኢ ኺህልወካ እዩ፣+ተስፋኻ እውን ኣይኪቝረጽን እዩ። 19 ወደየ፡ ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፣ንልብኻ ኸኣ ብቕኑዕ መገዲ ምርሓዮ። 20 ካብቶም ብዙሕ ወይኒ ዚሰትዩ፡+ካብቶም ሃርጓፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን፣+ 21 ሰኽራምን ህሩፍንሲ ይደኽዩ እዮም፣+ትኽስታ ድማ ጨርቀምቀም የብል እዩ። 22 ንዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፣ኣዴኻ ስለ ዝኣረገት እውን ኣይትንዓቃ።+ 23 ንሓቂ ዓድጋ* እሞ ኸቶ ኣይትሽጣ፣+ንጥበብን ንተግሳጽን ንኣእምሮን እውን ከምኡ።+ 24 ኣቦ ጻድቕ ብርግጽ ይሕጐስ፣ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ። 25 ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይብሎም፣ወላዲትካ ድማ ትሕጐስ። 26 ወደየ፡ ልብኻ ሃበኒ፣ኣዒንትኻ ኸኣ ብመገድታተይ ባህ ይበለን።+ 27 ኣመንዝራስ* ዓሚቝ ጕድጓድ እያ፣እትምንዝር ሰበይቲ ድማ ጸቢብ ዒላ እያ።+ 28 ከም ከታሪ ተድቢ፣+ቍጽሪ ጠለምቲ ድማ ተብዝሕ። 29 ወዮ ንመን እዩ፧ ጭንቂ ንመን እዩ፧ ባእሲ ንመን እዩ፧ መረረት ንመን እዩ፧ ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ፧ ምፍዛዝ ኣዒንቲ ንመን እዩ፧ 30 ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጕዩ፡+ነቶም እተሓዋወሰ ወይኒ ዜናድዩ* እዩ። 31 ንወይኒ ምቕያሑ፡ኣብ ጽዋእ ምውዕዋዑን ሰተት ኢሉ ምውራዱን ኣይትርአ። 32 ኣብ መወዳእታስ ከም ተመን ይነክስ፡ከም ኣፍዑት ድማ ሕንዙ ጺቕ ይብል። 33 ኣዒንትኻ ገለ ነገር ይርእያ፣ልብኻ እውን ቄናን ነገር ይዛረብ።+ 34 ኣብ ማእከል ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ኣብ ጫፍ ደቐል መርከብ ከም ዝደቀሰ ትኸውን። 35 “ወቒዖምንስ ኣይተሰምዓንን።* ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን። መዓስ ክነቅሕ እየ፧+ መሊሰ ኽሰቲ* እየ” ትብል። 19 ዓሻ ዄንካ ሓሶት ካብ እትዛረብሲ፡ድኻ ዄንካ ብንጽህና ምምልላስ ይሓይሽ።+ 2 ሰብ* ብዘይ ፍልጠት፡ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+ብታህዋኽ ተግባሩ ዚገብር* ድማ ይሓጥእ። 3 ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ የቕንን፣ልቡ ግና ኣብ የሆዋ ይንድር። 4 ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይስሕብ፣ድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይሓድጎ።+ 5 ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣+እቲ ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ከኣ ኣየምልጥን።+ 6 ብዙሓት ሞገስ ልዑል* ይደልዩ፣ህያብ ንዚህብ ሰብ ድማ ኵሉ ፈታዊኡ እዩ። 7 ንድኻስ ኵሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፣+ፈተውቱ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኻብኡ ዘይርሕቁ!+ኪልምኖም ኢሉ ይስዕቦም፣ ዚምልሰሉ ግና የልቦን። 8 ልቢ ዜጥሪ፡ ንርእሱ* የፍቅራ።+ ምስትውዓል ዚዓቍር፡ ኣሳልጦ* ይረክብ።+ 9 ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣እቲ ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ።+ 10 ንዓሻ ምሹእ ናብራ ኣይግብኦን፣ጊልያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ኺገዝእ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!+ 11 ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፣+በደል* ዕሽሽ ምባል* ድማ የጸብቐሉ።+ 12 ነድሪ ንጉስ ከም ሕኒንታ ሽደን ኣንበሳ እዩ፣+ሞገሱ ግና ኣብ ኣትክልቲ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ። 13 ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ መከራ የምጽኣሉ፣+ነግራም* ሰበይቲ ኸምቲ ኸየቋረጸ ዜልሕዅ ናሕሲ እያ።+ 14 ቤትን ሃብትን ካብ ኣቦታት ይውረስ፣ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ግና ካብ የሆዋ እያ።+ 15 ትህኪት ከቢድ ድቃስ ተምጽእ፣ላህማም ሰብ* ድማ ይጠሚ።+ 16 ትእዛዝ ዚሕሉ፡ ንህይወቱ* ይሕልዋ፣+ብዛዕባ መገድታቱ ግዲ ዘይብሉ፡ ይመውት።+ 17 ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣+ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ።*+ 18 ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ገስጾ፣+ብሞቱ ድማ ተሓታቲ ኣይትኹን።*+ 19 ቍጡዕ፡ መቕጻዕቲ ይጸውር፣ከተናግፎ እንተ ፈቲንካ፡ ደጋጊምካ ኸምኡ ኽትገብር ኢኻ።+ 20 ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽ እውን ተቐበል።+ 21 ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ውጥናት ኣሎ፣እቲ ዚዕወት ግና ምኽሪ* የሆዋ እዩ።+ 22 ንሰብ ተባሃጊ ዚገብሮ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እዩ፣+ሓሳዊ ኻብ ምዃን ድማ ድኻ ምዃን ይሓይሽ። 23 ፍርሃት የሆዋ ናብ ህይወት ይመርሕ፣+እዚ ዘለዎ፡ ባህ ዜብል ዕረፍቲ ይረክብ፡ ጕድኣት እውን ኣይረኽቦን።+ 24 ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፣ግናኸ፡ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን።+ 25 ንመላገጺ ውቕዓዮ እሞ፡+ ዘይለበመ ኺጐርሕ እዩ፣+ንብዓል ኣእምሮ ኸኣ ገስጾ እሞ፡ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።+ 26 ንኣቦኡ ዚገፍዖን ንኣዲኡ ዚሰጕጓን፡መሕፈርን ውርደተኛን ወዲ እዩ።+ 27 ወደየ፡ ተግሳጽ ምስማዕ እንተ ኣቋሪጽካ፡ካብ ቃላት ፍልጠት ክትርሕቕ ኢኻ። 28 ዘይጠቅም ምስክር ንፍትሒ የላግጸሉ፣+ኣፍ እኩያት ከኣ እከይ ይውሕጥ።+ 29 ፍርዲ ንመላገጽቲ፡+መውቃዕቲ ድማ ንዝባን ዓያሹ ተዓቚሩሎም ኣሎ።+ 20 ወይኒ መላገጺ፡+ ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፣+ብእኡ ዚስሕት ጥበበኛ ኣይኰነን።+ 2 ንጉስ ከም ሕኒንታ ሽደን ኣንበሳ የሸብር፣*+ዜቘጥዖ ድማ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእቱ።+ 3 ንሰብሲ ኻብ ባእሲ ምርሓቕ፡ ክብሩ እዩ፣+ዓሻ ዘበለ ግና ህሩግ ኢሉ ናብኡ ይኣቱ።+ 4 ሃካይ ብኽረምቲ ኣይሓርስን፣ስለዚ፡ ብቐውዒ ሓንቲ እኳ ዘይብሉ ምስ ኰነ፡ ይልምን።*+ 5 ሓሳባት* ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት እዩ፣ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ይቐድሖ። 6 ብዙሓት ሰባት ብተኣማንነት ብዛዕባ ዜርእይዎ ፍቕሪ ይዛረቡ፣እሙን ሰብ ግና መን ይረኽቦ፧ 7 ጻድቕ ብንጽህናኡ ይመላለስ።+ ድሕሪኡ ዚመጹ ደቁ ሕጉሳት እዮም።+ 8 ንጉስ ኪዳኒ ኣብ ዝፋን ምስ ዚቕመጥ፡+ንዅሉ እከይ ብኣዒንቱ መምዩ የውጽኦ።+ 9 “ንልበይ ኣጽርየዮ፣ካብ ሓጢኣተይ ንጹህ እየ” ኺብል ዚኽእል መን እዩ፧+ 10 ዘይቅኑዕ መምዘንን ዘይልክዕ መስፈርን፡*ክልቲኡ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።+ 11 ቈልዓ እኳ ጠባዩ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ዀይኑ፡ብተግባራቱ ይፍለጥ እዩ።+ 12 ንእትሰምዕ እዝንን ንእትርኢ ዓይንን፡ንኽልቲአን ዝገበረን የሆዋ እዩ።+ 13 ድቃስ ኣይትፍቶ፡ እንተ ዘይኰነስ ክትደኪ ኢኻ።+ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ፡ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።+ 14 ዓዳጊ፡ “ሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ!” ይብል፣ድሕሪኡ፡ መገዱ ኸይዱ፡ ብዛዕባ ርእሱ ይምካሕ።+ 15 ወርቅን ብዙሕ ኣዕናቝን* ኣሎ፣ከናፍር ፍልጠት ግና ክቡራት እየን።+ 16 ንዘይፈልጦ ንእተዋሕሰ፡ ክዳኑ ውሰደሉ፣+ካብቲ ንጓና ሰበይቲ* ኸምኡ ዝገበረ፡ ትሕጃ ውሰድ።+ 17 ብምትላል ዚርከብ እንጌራ ንሰብ ጥዑም እዩ፣ደሓር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ።+ 18 ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ፣*+ብጥበባዊ መምርሒ ኸኣ ተዋጋእ።+ 19 ሓማዪ እናዞረ ምስጢር ይቐልዕ፣+ወረ ምስ ዚፈቱ* ሰብ ኣይትሕበር። 20 ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚረግም፡ጸልማት ኪመጽእ ከሎ፡ መብራህቱ ይጠፍእ።+ 21 ኣብ ፈለማ ብስስዐ እተረኽበ ርስቲ፡ኣብ መወዳእታ ኣይባረኽን።+ 22 “ክፉእ ክፈዲ እየ!” ኣይትበል፣+ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣+ ንሱ ድማ ኬድሕነካ እዩ።+ 23 ዘይቅኑዕ መምዘኒ* ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ዜታልል ሚዛን ከኣ ጽቡቕ ኣይኰነን። 24 ስጕምቲ ሰብ ብየሆዋ እዩ ዚቐንዕ፣+ሰብ ከመይ ገይሩ ንመገዱ* ኺርድኣ ይኽእል፧ 25 ሰብ ተሃዊኹ “ቕዱስ!” ድሕሪ ምባሉ+ነቲ መብጽዓኡ ዚምርምሮ እንተ ዀይኑ፡ መፈንጠራ ይዀኖ።+ 26 ጥበበኛ ንጉስ ንእኩያት መምዩ የውጽኦም፣+ኣብ ልዕሊኦም ከኣ መንኰርኰር መኼዳ የኽይድ።+ 27 ትንፋስ ሰብሲ መብራህቲ የሆዋ እዩ፣እዚ ንውሽጣዊ እንታይነቱ ይምርምሮ። 28 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ንንጉስ ይሕልዋኦ፣+ንሱ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ንዝፋኑ የጽንዖ።+ 29 ንኣጕባዝሲ ሓይሎም ክብሮም እዩ፣+ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ግርማኦም እዩ።+ 30 ስምብራትን ቍስልን ካብ እከይ የንጽህ፣+መውቃዕቲ ድማ ውሽጣዊ እንታይነት የጽሪ። 3 ወደየ፡ ንትምህርተይ* ኣይትረስዓዮ፣ልብኻ ኸኣ ንትእዛዛተይ ይሓልዎ፣ 2 ከመይሲ፡ ብዙሕ መዓልትታትንዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ።+ 3 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን* ካባኻ ኣይፈለ።+ ኣብ ክሳድካ እሰሮ፣ኣብ ጽላት ልብኻ ጽሓፎ፣+ 4 ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽን ሰብንሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።+ 5 ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣*+ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ።+ 6 ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣+ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።+ 7 ጥበበኛ ዝዀንካ ኣይምሰልካ።+ ንየሆዋ ፍርሃዮ፡ ካብ ክፉእ ድማ ርሓቕ። 8 እዚ ንሰብነትካ* ፈውሲ፡ንኣዕጽምትኻ እውን ሕዳሰ ኪኸውን እዩ። 9 ንየሆዋ ብጥሪትካን+ብበዅሪ* ፍርያትካን* ኣኽብሮ፣+ 10 ሽዑ፡ ማዕከናትካ ቕጽጽ ኢሉ ኺመልእ፡+መዋህለል ወይንኻ* ድማ ብጕዕሽ ወይኒ ኺጅርብብ እዩ። 11 ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ ኣይትንዓቕ፣+መግናሕቱ ኸኣ ኣይትፈንፍን።+ 12 ከምቲ ኣቦ ነቲ ደስ ዜብሎ ወዱ ዚገንሖስ፡+የሆዋ ንዜፍቅሮ እዩ ዚገንሖ።+ 13 ጥበብ ዚረክብ፡ምስትውዓል እውን ዜጥሪ ሰብ ሕጉስ እዩ፣+ 14 ንዓኣ ምጥራይሲ ብሩር ካብ ምጥራይ፡ንዓኣ ምኽሳብ ከኣ ወርቂ ኻብ ምኽሳብ ይበልጽ።+ 15 ካብ ኣዕናቝ* ትኸብር፣እትምነዮ ዅሉ ድማ ኣይወዳደራን። 16 ኣብ የማነይታ ነዊሕ ዕድመ፡ኣብ ጸጋመይታ ኸኣ ሃብትን ክብርን ኣሎ። 17 ጐደናታታ ባህ ዜብል፡ኵሉ መገድታታ እውን ሰላማዊ እዩ።+ 18 ንዚሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፣ኣጽኒዖም ዚሕዝዋ ድማ ሕጉሳት ኪብሃሉ እዮም።+ 19 የሆዋ ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ።+ ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣቘሞ።+ 20 ብፍልጠቱ መዓሙቝ ማይ ተመቕለ፣እተደባነወ ሰማያት ድማ ካፋ ኣንጠብጠበ።+ 21 ወደየ፡ ነዚኣተን* ካብ ኣዒንትኻ ኣይተርሕቀን። ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን። 22 ንሳተን ህይወት ኪህባኻ፡*ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ኪዀናኻ እየን። 23 ሽዑ፡ ብደሓን መገድኻ ኽትከይድ ኢኻ፣እግርኻ እውን ከቶ ኣይክትዕንቀፍን እያ።+ 24 በጥ ምስ በልካ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ፣+በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካ እውን ጥዑም ኪኸውን እዩ።+ 25 ሃንደበታዊ ሽበራ ዀነ፡+ኣብ ልዕሊ እኩያት ዚወርድ ህቦብላ ኣይኬፍርሃካን እዩ።+ 26 የሆዋስ ምንጪ እምንቶኻ ኪኸውን፡+እግርኻ ኸይትተሓዝ ድማ ኪሕልወካ እዩ።+ 27 ክትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ፡*+ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።+ 28 ንብጻይካ ሕጂ ኽትህቦ ትኽእል እንተ ዄንካ፡“ኪድ እሞ ጸኒሕካ ተመለስ! ጽባሕ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ። 29 ብጻይካ ኣሚኑካ ምሳኻ ኺነብር ከሎ፡ውዲት ኣይትእለመሉ።+ 30 ክፉእ ምስ ዘይገበረካ ሰብ፡+ብዘይ ምኽንያት ኣይትብኣስ።+ 31 ብዓማጺ ሰብ ኣይትቕናእ፣+ካብ መገድታቱ እውን ሓንቲ እኳ ኣይትምረጽ። 32 የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣+ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።+ 33 መርገም የሆዋ ኣብ ቤት እኩይ እዩ፣+ንቤት ጻድቃን ግና ይባርኻ።+ 34 ንሱስ ንዜላግጹ የላግጸሎም፣+ንዓቃላት* ግና ሞገስ የርእዮም።+ 35 ጥበበኛታት ክብሪ ኺወርሱ እዮም፣ዓያሹ ግና ውርደት ኬሞግሱ እዮም።+ 24 ብእኩያት ኣይትቕናእ፣ምሳታቶም ክትሓብር እውን ሃንቀው ኣይትበል።+ 2 ልቦምሲ ዓመጻ ይሓስብ፡ከናፍሮም ድማ ሽግር ይዛረብ። 3 ቤት* ብጥበብ ትህነጽ፣+ብምስትውዓል ከኣ ትጸንዕ። 4 ክፍልታታ ብፍልጠት፡ብዅሉ ዓይነት ክቡርን ባህ ዜብልን መዛግብቲ ይመልእ።+ 5 ጥበበኛ ሰብ ሓያል እዩ፣+ሰብ ድማ ብፍልጠት ሓይሉ ይውስኽ። 6 ብጥበባዊ መምርሒ ተዋጋእ፣+ብብዙሓት ኣማኸርቲ ኸኣ ዓወት* ይርከብ።+ 7 ዓሻ ንናይ ሓቂ ጥበብ ኪረኽባ ኣይክእልን፣+ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዚብሎ የብሉን። 8 እከይ ዚሓስብ፡ጐይታ ተንኰል ይብሃል።+ 9 ብዕሽነት ዚምሃዝ ተንኰል፡* ሓጢኣት እዩ፣መላገጺ ድማ ብሰብ ፍንፉን እዩ።+ 10 ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን። 11 ነቶም ናብ ሞት ዚውሰዱ ኣናግፎም፣ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።+ 12 “ብዛዕባ እዚ ግና ኣይፈለጥናን” እንተ ኢልካ፡እቲ ልቢ* ዚምርምርሲ ኣየስተውዕሎንዶ፧+ እወ፡ እቲ ዚቋመተካ* ኺፈልጥ፡ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እውን ከከም ተግባሩ ኺፈድዮ እዩ።+ 13 ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፣ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር መቐረቱ ጥዑም እዩ። 14 ከምኡ ድማ፡ ጥበብ ንዓኻ ጽቡቕ* ምዃኑ ፍለጥ።+ እንተ ረኺብካያስ፡ ብሩህ መጻኢ ኺህልወካ እዩ፣ተስፋኻ እውን ኣይኪቝረጽን እዩ።+ 15 ኣብ ጥቓ ቤት ጻድቕ ብኽፍኣት ኣይተድቢ፣ነታ መዕረፊቱ ኣይተጥፍኣያ። 16 ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ፣+እኩያት ግና ብመዓት ይዕንቀፉ።+ 17 ጸላኢኻ ምስ ዚወድቕ፡ ባህ ኣይበልካ፣ምስ ዚዕንቀፍ ከኣ፡ ልብኻ ኣይተሓጐስ።+ 18 እንተ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ነዚ ርእዩ ኺጕሂ፡ካብኡ* ድማ ቍጥዓኡ ኺመልስ እዩ።+ 19 ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትሕረቕ፣*ብእኩያት ኣይትቕናእ። 20 ንኽፉእሲ ብሩህ መጻኢ የብሉን፣+መብራህቲ እኩያት ድማ ይጠፍእ እዩ።+ 21 ወደየ፡ ንየሆዋን ንንጉስን ፍርሃዮም።+ ምስ ዓለውቲ* ኸኣ ኣይትሕበር፣+ 22 መዓቶምሲ ብሃንደበት ይልዓል እዩ።+ ክልቲኦም* ኣብ ልዕሊ እቲኣቶም ዜምጽእዎ ጥፍኣት መን ይፈልጥ፧+ 23 እዚ ቓላት እዚ ናይ ጥበበኛታት እዩ፦ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ጽቡቕ ኣይኰነን።+ 24 እቲ ንእኩይ፡ “ጻድቕ ኢኻ” ዚብሎ፡+ብህዝብታት ኪርገም፡ ብኣህዛብ እውን ኪዅነን እዩ። 25 እቶም ዚገንሕዎ ግና ጽቡቕ ኪረኽቡ እዮም፣+ኣብ ልዕሊኦም ጽቡቕ በረኸት ኪወርድ እዩ።+ 26 ብቕንዕና ዚምልስ፡ ከናፍሩ ይስዓም።*+ 27 ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ኵሉ ኣዳሉ፣ድሕሪኡ፡ ቤትካ* ህነጽ። 28 ብዘይ ምኽንያት ኣንጻር ብጻይካ ኣይትመስክር።+ ብኸናፍርካ ድማ ኣይተታልል።+ 29 “ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ እየ፣ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ” ኣይትበል።+ 30 ኣነ ብግራት ሃካይ፡ብኣታኽልቲ ወይኒ እቲ ልቢ ዘይብሉ ሓለፍኩ።+ 31 ጻህያይ ውሒጥዋ ኸኣ ረኣኹ፣ምድራ ብኣምዐ ተሸፊኑ፡መንደቓ ድማ ፈሪሱ ነበረ።+ 32 ነዚ ተዓዚበ ኣብ ልበይ ኣንበርክዎ፣ንዕኡ ርእየ ኸኣ እዚ ዚስዕብ ተመሃርኩ፦* 33 ቍሩብ ትድቅስ፡ ቍሩብ ትኽስ ትብል፡ከተዕርፍ ኢልካ ቝሩብ ኣእዳውካ ተጣምር፣ 34 ሽዑ፡ ድኽነትካ ኸም ሽፍታ፡ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።+ 7 ወደየ፡ ንቓላተይ ሓልዎ፣ንትእዛዛተይ እውን ዕቘሮ።+ 2 ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፣+ንትምህርተይ* ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ። 3 ኣብ ኣጻብዕካ እሰሮ፣ኣብ ጽላት ልብኻ ጽሓፎ።+ 4 ንጥበብ፡ “ንስኺ ሓብተይ ኢኺ” በላ፣ንኣእምሮ ኸኣ፡ “ዘመደይ” ኢልካ ጸውዓያ፣ 5 ንሳ ድማ ካብ ፋሉል* ሰበይትን+ካብ እትምንዝር* ሰበይትን ካብ ልዙብ* ቃላታን ክትሕልወካ እያ።+ 6 ካብ መስኰት ቤተይ፡ብዓይነ ርግቢ ኣንቈልቊለ ጠመትኩ፣ 7 ነቶም ገርህታት* ክዕዘቦም ከለኹ ኸኣ፡ኣብ መንጎ እቶም መንእሰያት፡ ልቢ ንዘይብሉ ጐበዝ ኣስተብሃልኩሉ።+ 8 ንሱ በታ ኣብ ጥቓ ዅርናዓ ዘላ ጐደና ሓለፈ፣ናብ ኣንፈት ቤታ ድማ ሰጐመ፣ 9 ሽዑ፡ ጽልግልግታ ዀይኑ፡ መስዩ፡+ለይትን ጸልማትን ኪኸውን ከኣ ቀሪቡ ነበረ። 10 ከም ኣመንዝራ እተኸድነት፡*+ ልባ ጐራሕ ዝዀነሰበይቲ ድማ ክትቅበሎ ረኣኹ። 11 ዋዕዋዕተኛን ደፋርን እያ።+ ኣብ ቤታ ኣይትቕመጥን እያ።* 12 ሓንሳእ ኣብ ግዳም፡ ሓንሳእ ኣብ ኣደባባይ ትጸንሕ፣ኣብ ጥቓ ዅሉ ዅርናዕ ድማ ተድቢ።+ 13 ንሳ ንዕኡ ሓዘቶ፡ ሰዓመቶ እውን፣ብድፍረት ከኣ ከምዚ በለቶ፦ 14 “መስዋእቲ ሕብረት ከቕርብ ነይሩኒ።+ ሎሚ ድማ መብጽዓይ ፈጺመ እየ። 15 ስለዚ፡ ክቕበለካንክደልየካን መጺአስ፡ ረኺበካ! 16 ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ጽቡቕ ምንጻፍ ዓራት፡ሕብራዊ በፍታ ግብጺ ኣንጺፈ ኣለኹ።+ 17 ንዓራተይ ከርበን ዓልወን ቃርፋን ነጺገሉ ኣለኹ።+ 18 ንዓ፡ ክሳዕ ንግሆ ብፍቕሪ ንርወ፣ብፍትወት ባህ ይበለና፣ 19 ሰብኣየይሲ ኣብ ቤት የሎን፣ናብ ርሑቕ ገይሹ ኣሎ። 20 ከረጺት ገንዘብ ምስኡ ተማሊኡ እዩ፣ክሳዕ እታ ምልእቲ ወርሒ እትዀነላ መዓልቲ ድማ ኣይኪምለስን እዩ።” 21 ብብዙሕ ምሕባል ከኣ ኣስሓተቶ፣+ብልዙብ ዘረባ እውን ኣታለለቶ። 22 ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኸይድ ብዕራይ፡ኣብ ጕንዲ* ኸም ዚቕጻዕ ዓሻ፡ ብሃንደበት ደድሕሪኣ ኸደ።+ 23 ፍላጻ ንጸላም ከብዱ ኽሳዕ ዚወግኣ፡ ከምኡ ገበረ። ናብ መጻወድያ ኸም ዚሸብብ ዑፍ፡ ህይወቱ* ኸም ዚስእን ኣይፈለጠን።+ 24 ሕጂ ኸኣ፡ ደቀየ፡ ስምዑኒ፣ንዝዛረቦ ቓላተይ ኣቕልቡሉ። 25 ልብኹም ናብ ጐደናታታ ኣየልግስ። ናብ መገድታታ ኣይትተኣለዩ።+ 26 ንሳስ ንብዙሓት ተቐቲሎም ከም ዚወድቁ ገይራ እያ፣+እቶም ዝቐተለቶም እውን ብዙሓት እዮም።+ 27 ቤታ ናብ መቓብር* ይመርሕ፣ናብ ውሻጠ ሞት ከኣ የውርድ። 12 ተግሳጽ ዚፈቱ፡ ፍልጠት ይፈቱ፣+መግናሕቲ ዚጸልእ ግና፡ ዘይሓስብ* እዩ።+ 2 ሕያዋይ ሰብ ብየሆዋ ተቐባልነት ይረክብ፣ክፉእ ንዚሓስብ ሰብ ግና ይዅንኖ።+ 3 ሳላ እከይ ጸኒዑ ዚቐውም ሰብ የልቦን፣+ጻድቃን ግና ከቶ ኣይኪምሓዉን እዮም። 4 ክኢላ ሰበይቲ፡ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፣+ዜሕፍር ዝግብራ ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።+ 5 ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፣መሪሕነት እኩያት ግና መታለሊ እዩ። 6 ቃላት እኩያት ዚቐትል ድብያ እዩ፣*+ኣፍ ቅኑዓት ግና የድሕኖም።+ 7 እኩያት ምስ ዚግልበጡ፡ ደጊም ኣይርከቡን፣ቤት ጻድቃን ግና ትቐውም።+ 8 ሰብ ብምስትውዓል ኣፉ ይውደስ፣+ጠዋይ ዝልቡ ግና ይንዓቕ።+ 9 ካብቲ ንርእሱ ኽብሪ ዚህብን እንጌራ ዘይብሉንሲ፡ትሑትን ሓደ ጊልያ ዘለዎን ይሓይሽ።+ 10 ጻድቕ ንእንስሳኡ ይከናኸኖ፣*+እኩያት ግና ምሕረቶም እኳ ጨካን እዩ። 11 ምድሩ ዚሓርስ፡ እንጌራ ይጸግብ፣+ከንቱነት ዚስዕብ ግና ልቢ የብሉን። 12 እኩይ በቲ ኻልኦት እኩያት ዝሓዝዎ ይቐንእ፣ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይፈሪ። 13 ክፉእ ብሓጥእ ዘረባኡ ይፍንጠር፣+ጻድቕ ግና ካብ ጭንቂ የምልጥ። 14 ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ሰናይ ይጸግብ፣+ተግባር ኣእዳዉ ኸኣ ዓስቢ ይህቦ። 15 ንዓሻስ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፣+ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይቕበል።+ 16 ዓሻ ብኡብኡ* ሕርቃኑ የርኢ፣+ጐራሕ ግና ንጸርፊ ዕሽሽ ይብሎ።* 17 ብተኣማንነት ዚምስክር፡ ሓቂ* ይነግር፣ሓሳዊ ምስክር ግና ዜታልል ነገር ይዛረብ። 18 ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ።+ 19 ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፣+ሓሳዊት ልሳን ግና ንቕጽበት ጥራይ ትጸንሕ።+ 20 ኣብ ልቢ እቶም ክፍኣት ዚሓስቡ ምትላል ኣሎ፣እቶም ሰላም ዜስፍኑ* ግና ሓጐስ ኣለዎም።+ 21 ንጻድቕ ዋላ ሓደ ጕድኣት ኣይረኽቦን፣+እኩያት ግና መዓት መሊእዎም እዩ።+ 22 ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እየን፣+ብተኣማንነት ተግባሮም ዚገብሩ ግና፡ ባህ የብልዎ። 23 ጐራሕ ሰብ ዚፈልጦ ይሓብእ፣ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይድርጕሕ።+ 24 ኢድ ትጉሃት ትገዝእ፣+ኣእዳው ሃካያት ግና ብግዲ ይሽቅላ።+ 25 ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣*+ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።+ 26 ጻድቕ መጓሰዪኡ ይምርምር፣ንእኩያት ግና መገዶም ተጋግዮም። 27 ሃካይ ነቲ ዚሃድኖ ኣይጐይዮን፣+ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር መዝገቡ እዩ። 28 መገዲ ጽድቂ ናብ ህይወት ትመርሕ፣+ኣብ መገዳ ድማ ሞት የልቦን። 1 ምስላታት ሰሎሞን፡+ ወዲ ዳዊት፡+ ንጉስ እስራኤል፦+ 2 ጥበብን+ ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ጥበባዊ ቓላት ንምርዳእ፡ 3 ልቦና ዚህብ ተግሳጽን+ጽድቅን+ ጽቡቕ ፍርድን*+ ቅንዕናን ንምጥራይ፡ 4 ንዘይለበሙ ጕርሒ+ ንምሃብ፡ንጐበዝ ፍልጠትን ምምዝዛንን+ ንምሃብ እዩ። 5 ጥበበኛ ሰሚዑ ትምህርቲ ይውስኽ፣+ብዓል ኣእምሮ ጥበባዊ መምርሒ የጥሪ፣+ 6 እዚ ኸኣ ምስላን ቍንቍኛን፡*ቃላት ጥበበኛታትን ሕንቅሕንቅሊተያቶምን ንምርዳእ ይኸውን።+ 7 ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ፍልጠት እዩ።+ ጥበብን ተግሳጽን ዚንዕቁስ፡ ዓያሹ ጥራይ እዮም።+ 8 ወደየ፡ ተግሳጽ ኣቦኻ ስማዕ፣+ትምህርቲ* ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።+ 9 ንሱስ ንርእስኻ ማራኺ ኣኽሊል፡+ንኽሳድካ ኸኣ ጽቡቕ ስልማት እዩ።+ 10 ወደየ፡ ሓጥኣን ኪሓብሉኻ እንተ ፈቲኖም፡ ሕራይ ኣይትበሎም።+ 11 ንሳቶም፡ “ምሳና ንዓናይ። ደም ከነፍስስሲ ነድቢ። ንንጹሃት ግዳያት ብዘይ ምኽንያት ተሓቢእና ኽንጻናተዎም ኢና። 12 ከምቲ መቓብር* ዚገብሮ፡ ብህይወቶም ከለዉ፡ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ምሉእ ብምሉእ ክንውሕጦም ኢና። 13 ኵሉ ኽቡር መዛግብቶም ንውሰድ፣ኣባይትና ኸኣ ብምርኮ ኽንመልኦ ኢና። 14 ምሳና ሕበር እሞ፡*ኵላትና ነቲ ዝሰረቕናዮ ብማዕረ ኽንማቐሎ ኢና”* እንተ ኢሎምኻ፡ 15 ወደየ፡ ኣይትስዓቦም። ኣእጋርካ ኻብ መገዶም ሓሉ፣+ 16 ኣእጋሮምሲ እከይ ንምግባር ይጐይያ፡ደም ንምፍሳስ ከኣ ይቕልጥፋ እየን።+ 17 ዑፍ ኣጸቢቓ እትርእዮ መርበብ ምዝርጋሕሲ ብርግጽ ከንቱ እዩ። 18 ስለዚ፡ እዚኣቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ፣ህይወት* ንምጥፋእ ከኣ ይሕብኡ። 19 መገድታት እቶም ረብሓ ሸፈጥ ዚደልዩ ኸምኡ እዩ። እዚ ኸኣ ህይወት* እቶም ዜጥርይዎ የጥፍእ።+ 20 ናይ ሓቂ ጥበብ+ ኣብ ጐደና ትጭድር ኣላ።+ ኣብ ኣደባባያት ከኣ ድምጻ ዓው ተብል ኣላ።+ 21 ኣብ ኵርናዕ* ብዙሓት ዚውሕዙሉ ጐደናታት ኰይና ትጽውዕ። ኣብ መእተዊታት ኣፍ ደገታት ከተማ ዀይና ኸምዚ ትብል፦+ 22 “ኣቱም ዘይለበምኩም፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ዘይልብምና ኽትፈትዉ፧ ኣቱም መላገጽቲ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ብላግጺ ባህ ኪብለኩም፧ ኣቱም ዓያሹ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ፍልጠት ክትጸልኡ፧+ 23 መግናሕተይ ስምዑ።*+ ኣነ ኸኣ መንፈሰይ ከፍስሰልኩም እየ፣ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።+ 24 ጸዊዐስ ኣቢኹም፣ኢደይ ዘርጊሐ ድማ፡ ሓደ እኳ ኣየቕለበን።+ 25 ኵሉ ምኽረይ ዕሽሽ ኢልኩምዎ፡መግናሕተይ እውን ኣይተቐበልኩምዎን። 26 ኣነ ኸኣ፡ መዓት ምስ ረኸበኩም፡ ክስሕቕ እየ፣እቲ እትፈርህዎ ምስ መጸ፡ ከላግጸልኩም እየ፣+ 27 እወ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ምስ መጸ፡መዓትኩም ከም ብርቱዕ ንፋስ ምስ በጽሓኩም፡ጭንቅን ሽግርን ድማ ምስ ወረደኩም፡ ከምኡ ኽገብር እየ። 28 ሽዑ፡ ኪጽውዑኒ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክምልስን እየ፣ተሃንጥዮም ኪደልዩኒ እዮም፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም፣+ 29 ከመይሲ፡ ፍልጠት ጸሊኦም እዮም፣+ንየሆዋ ምፍራህ ከኣ ኣይሓረዩን።+ 30 ምኽረይ ኣብዮም፡መግናሕተይ ድማ ንዒቖም እዮም። 31 ስለዚ፡ ሳዕቤናት መገዶም ኪስከሙ፡*+ብምኽሮም* ከኣ ኪጸግቡ እዮም። 32 ንዘይለበሙስ ፋሉልነቶም ኪቐትሎም እዩ፣ንዓያሹ ድማ ሸለልትነቶም ኬጥፍኦም እዩ። 33 እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡+መዓት ከይፈርሀ ኸኣ ኪሃድእ እዩ።”+ 29 ድሕሪ ብዙሕ መግናሕቲ ኽሳዱ ዜትርር* ሰብ፡+ብሃንደበት ከም ዘይሓዊ ዀይኑ ይስበር።+ 2 ጻድቃን እንተ በዝሑ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፣እኩይ እንተ ገዝአ ግና፡ ህዝቢ እህህ ይብል።+ 3 ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+ምስ ኣመናዝር ዚቀራረብ ግና፡ ሃብቱ ይዘሩ።+ 4 ንጉስ ብፍትሒ ኣብ ሃገር ርግኣት የምጽእ፣+ጉቦ ዚደሊ ሰብ ግና የጥፍኣ። 5 ንብጻዩ ዚሽሕጦ ሰብንኣእጋሩ መርበብ ይዝርግሓሉ።+ 6 ንእኩይ ሰብሲ ኣበሳኡ ይፍንጥሮ፣+ጻድቕ ግና እልል ይብል፡ ይሕጐስ እውን።+ 7 ጻድቕሲ ሕጋዊ መሰላት ድኻታት የተሓሳስቦ፣+እኩይ ግና እዚ ኣየተሓሳስቦን።+ 8 ምኩሓት ሰባት፡ ከተማ የቃጽሉ፣+ጥበበኛታት ግና ቍጥዓ ይመልሱ።+ 9 ጥበበኛ ምስ ዓሻ ምስ ዚከራኸር፡ታዕታዕን ላግጽን እምበር፡ ዕግበት ኣይረክብን።+ 10 ደም ዝጸምኡ ሰባት ንንጹህ* ይጸልእዎ፣+ህይወት* ቅኑዓት ኬጥፍኡ ድማ ይደልዩ።* 11 ዓሻ ንዅሉ ስምዒቱ* ይድርጕሖ፣+ጥበበኛ ግና ብህድኣት ይቈጻጸሮ።+ 12 ገዛኢ ኣብ ሓሶት ምስ ዜቕልብ፡ኵሎም ገላዉኡ እኩያት ይዀኑ።+ 13 ድኻ ሰብን ጭቁንን ሓደ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፣*የሆዋ ንኣዒንቲ ኽልቲኦም ብርሃን ይህበን።* 14 ንጉስ ንድኻ ብቕንዕና ምስ ዚፈርዶ፡+ዝፋኑ ወትሩ ይጸንዕ።+ 15 ሻቦጥን* መግናሕትን ጥበብ ይህብ፣+ስዲ እተሓድገ ውሉድ ግና ንኣዲኡ የሕፍራ። 16 እኩያት ምስ ዚበዝሑ፡ ኣበሳ ይበዝሕ፣ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ።+ 17 ንወድኻ ገስጾ እሞ ኼዕርፈካ፡ብዙሕ እውን ባህ ኬብለካ እዩ።*+ 18 ራእይ* ኣብ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፣+ሕጊ ዚሕልዉ ግና ሕጉሳት እዮም።+ 19 ጊልያ እንተ ተረድኦ እኳ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ብቓላት ኣይእረምን እዩ።+ 20 ተሃዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧+ ካብኡስ ንዓሻ ዝያዳ ተስፋ ኣለዎ።+ 21 ካብ ንእስነቱ ዝሓንቀቐ ጊልያ፡ደሓር ዘየመስግን ይኸውን። 22 ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል፣+ነዳሪ ድማ ብዙሕ ይእብስ።+ 23 ንሰብ ትዕቢቱ የትሕቶ፣+ትሑት ዝመንፈሱ ግና ክብሪ ይረክብ።+ 24 መሻርኽቲ ሰራቒ ንርእሱ* ይጸልኣ። ኪምስክር ጻውዒት ሰሚዑስ፡* ገለ እኳ ኣይገልጽን።+ 25 ፍርሂ ሰብ መፈንጠራ እዩ፣+ብየሆዋ ዚእመን* ግና ይዕቈብ።+ 26 ብዙሓት ኣብ ቅድሚ ገዛኢ ኪቐርቡ ይደልዩ፣*ሰብ ፍትሒ ዚረክብ ግና ካብ የሆዋ እዩ።+ 27 ዓማጺ ሰብ ኣብ ጻድቃን ፍንፉን እዩ፣+ቅኑዕ ዝመገዱ ኸኣ ኣብ እኩይ ፍንፉን እዩ።+ 28 እኩያት ዚሰጕጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፣ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ድምብርጽ ኣይብሎምን።+ 2 ኣብ ሃገር ኣበሳ* ምስ ዚህሉ፡ መሳፍንቲ ይቀያየሩ፣+ብሓገዝ ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብ ግና፡ መስፍን* ነዊሕ ይቕጽል።+ 3 ንትሑት ዚዕምጽ ድኻስ፡+ንዅሉ እንጌራ ኸም ዚዅስትር ዝናም እዩ። 4 ሕጊ ዚሓድጉ፡ ንእኩይ ይውድስዎ፣ሕጊ ዚሕልዉ ግና፡ ይቝጥዕዎም።+ 5 እኩያት ሰባትሲ ፍትሒ ኺርድኡ ኣይክእሉን፣ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ኵሉ ኺርድኡ ይኽእሉ።+ 6 ካብቲ መገድታቱ እተበላሸወ ሃብታምሲ፡ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሓይሽ።+ 7 ኣእምሮኛ ውሉድ ሕጊ ይሕሉ፣ብጻይ ህሩፋት ግና ንኣቦኡ የዋርዶ።+ 8 ብወለድን+ ብሓረጣን ሃብቱ ዜብዝሕ፡ነቲ ንድኻ ሞገስ ዜርእዮ ይእክበሉ።+ 9 ሕጊ ምስማዕ ዚኣቢ፡ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።+ 10 ንቕኑዓት ናብ እኩይ መገዲ ኺኣትዉ ዜስሕቶም፡ ኣብ ጕድጓዱ ይወድቕ፣+መንቅብ ዘይብሎም ግና ጽቡቕ ይወርሱ።+ 11 ሃብታም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጥበበኛ እዩ፣+ምስትውዓል ዘለዎ ድኻ ግና እንታይነቱ ይፈልጦ።+ 12 ጻድቃን ምስ ዚዕወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፣እኩያት ናብ ስልጣን ልዕል ምስ ዚብሉ ግና፡ ሰባት ይሕብኡ።+ 13 ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣+ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።+ 14 ወትሩ ዚጥንቀቕ* ሰብ ሕጉስ እዩ፣ልቡ ዜትርር ግና፡ ኣብ መዓት ይወድቕ።+ 15 እኩይ ገዛኢ ኣብ ልዕሊ ረዳኢ ኣልቦ ህዝብስ፡ሕኒን ከም ዚብል ኣንበሳን ተሃንዲዱ ኸም ዚመጽእ ድብን እዩ።+ 16 ምስትውዓል ዘይብሉ መራሒ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ይጥቀመሉ፣+ረብሓ ሸፈጥ ዚጸልእ ግና፡ ህይወቱ የንውሕ።+ 17 ህይወት ብምጥፋኡ ዕዳ ደም* ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር* ይሃድም።+ ሓደ እኳ ኣይደግፎ። 18 ብዘይ ኣበር ዚመላለስ፡ ይድሕን፣+መገድታቱ ቔናን ዝዀነ ግና፡ ብሃንደበት ይወድቕ።+ 19 ምድሩ ዚከናኸን፡ እኹል እንጌራ ይረክብ፣ዘይጠቅም ነገራት ዚስዕብ ግና፡ ድኽነት ይጸግብ።+ 20 እሙን ሰብ ብዙሕ በረኸት ይረክብ፣+ኪህብትም ዚህወኽ ግና፡ ንጹህ ኰይኑ ኣይቅጽልን።+ 21 ኣድልዎ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+ሰብ ግና ምእንቲ ቝራስ እንጌራ ይብድል። 22 ቀናእ* ሰብሲ ድኽነት ከም ዚረኽቦ ኸይፈለጠ፡ኪህብትም ሃንቀው ይብል። 23 ካብቲ ብልሳኑ ዚሽሕጥሲ፡ንሰብ ዚገንሕ፡+ ደሓር ዝያዳ ሞገስ ይረክብ።+ 24 ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚዘምት እሞ፡ “በደል ኣይኰነን” ዚብል፡+መሻርኽቲ እቲ ንሰብ ዜጥፍእ እዩ።+ 25 ስሱዕ ሰብ* ባእሲ የለዓዕል፣ኣብ የሆዋ ዚጽጋዕ ግና ጽቡቕ ይረክብ።*+ 26 ብልቡ ዚእመን፡ ዓሻ እዩ፣+ብጥበብ ዚመላለስ ግና፡ የምልጥ።+ 27 ንድኻ ዚህብ፡ ገለ እኳ ኣይጐድሎን፣+ኣዒንቱ ዚዕምት ግና፡ ብዙሕ ይርገም። 28 እኩያት ናብ ስልጣን ልዕል ምስ ዚብሉ፡ ሰባት ይሕብኡ፣ምስ ዚጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይበዝሑ።+ 8 ጥበብ ትጽውዕዶ የላን፧ ምስትውዓልከ ድምጻ ዓው ተብልዶ የላን፧+ 2 ኣብ ጥቓ መገዲ ኣብ ዘሎ በረኽትን+ኣብ መስቀላዊ መገድታትን ደው ትብል። 3 ኣብ ጥቓ ናብ ከተማ ዚመርሕ ኣፍ ደገታት፡ኣብ መእተዊ በሪታት ኰይና፡ዓው ኢላ ትጭድር፦+ 4 “ኣቱም ሰባት፡ ንዓኻትኩም እጽውዓኩም ኣለኹ፣ድምጸይ ንዅሉ* አልዕል ኣለኹ። 5 ኣቱም ዘይለበምኩም፡ ጕርሒ ተምሃሩ፣+ኣቱም ዓያሹ፡ ዜስተውዕል ልቢ ኣጥርዩ።* 6 ዝብሎ ዘለኹ ኣገዳሲ እዩ እሞ፡ ስምዑ፣ከናፍረይ ቅኑዕ ዘበለ እዩ ዚዛረብ፣ 7 ኣፈይሲ ብትሑት ደሃይ ሓቂ የውስእ፣ከናፍረይ ከኣ ንእከይ ይፍንፍኖ። 8 ኵለን ቃላት ኣፈይ ቅኑዓት እየን። ጠዋይ ኰነ ቄናን የብለንን። 9 ንኣስተውዓልስ ኵለን ትኽ ዝበላ፡ፍልጠት ንዝረኸቡ ድማ ቅኑዓት እየን። 10 ኣብ ክንዲ ብሩርሲ፡ ተግሳጸይ፡ኣብ ክንዲ ብሉጽ ወርቂ እውን፡ ፍልጠት ውሰዱ፣+ 11 ጥበብሲ ኻብ ኣዕናቝ* ትበልጽ፣ኵሉ ተባሃጊ እውን ኣይወዳደራን። 12 ኣነ ጥበብ፡ ምስ ጕርሒ ብሓባር እነብር፣ፍልጠትን ምምዝዛንን ድማ ረኺበ እየ።+ 13 ፍርሃት የሆዋ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ።+ ትዕቢትን ትምክሕትን+ እክይቲ መገድን ቄናን ዘረባን እጸልእ እየ።+ 14 ጽቡቕ ምኽርን ግብራዊ ጥበብን+ እውንን እየ፣ኣእምሮን+ ሓይልን+ ናተይ እየን። 15 ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፣ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣይ ጽድቂ ይሕግጉ።+ 16 መሳፍንቲ ብኣይ ይገዝኡ፣ልዑላን ድማ ብኣይ ብጽድቂ ይፈርዱ። 17 ንዜፍቅሩኒ አፍቅሮም፡ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ።+ 18 ሃብትን ክብርንነባሪ ጥሪትን* ጽድቅን ምሳይ ኣሎ። 19 ፍረይ ካብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ፡ፍርያተይ ድማ ካብ ብሉጽ ብሩር ይበልጽ።+ 20 ብመገዲ ጽድቂ፡ኣብ ማእከል መገድታት ፍትሒ እመላለስ እየ። 21 ንዜፍቅሩኒ ሃብቲ አውርሶም፣ማዕከኖም ከኣ እመልእ። 22 የሆዋ ኣብ መጀመርታ መገዱ፡+ካብ ጥንታዊ ዕማማቱ ቐዳማይ ገበረኒ።+ 23 ካብ ጥንቲ፡ ካብ መጀመርታ፡+ቅድሚ ምድሪ፡ ቈምኩ።+ 24 መዓሙቝ ማያት ከይኰነ፡+ዓይኒ ማያት ከኣ ማይ ከይወሓዘ ተወለድኩ።* 25 ኣኽራን ከይተደኰነ፡ቅድሚ ዅርባታት፡ ኣነ ተወለድኩ። 26 ንምድርን ንመሮራታን ኰነ፡ነቲ ናይ መጀመርታ ድንኩል ምድሪ ኸይገበሮ፡ 27 ንሰማያት ኬዳልዎ ኸሎ፡+ ኣብኡ ነበርኩ፣ንኣድማስ* ኣብ ገጽ ማያት ኪድርቶ ኸሎ፡+ 28 ንደበናታት ኣብ ላዕሊ ኺምስርቶ* ኸሎ፡ንምንጭታት መዓሙቝ ኪስርቶ ኸሎ፡ 29 ማያቱ ኽንየው ትእዛዙ ኸይሓልፉስንባሕሪ ኺሕግገሉ ኸሎ፡+ንመሰረታት ምድሪ ኺስርቶ* ኸሎ፡ 30 ሽዑ፡ ክኢላ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ።+ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብእኡ ኣዝየ ዝፍቶ ነበርኩ፣+ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።+ 31 በታ መንበሪት እትኸውን ምድሩ እሕጐስ ነበርኩ፣ምናዳ ድማ ንደቂ ሰብ እፈትዎም ነበርኩ። 32 ሕጂ ኸኣ ደቀየ፡ ስምዑኒ፣እወ፡ መገድታተይ ዚሕልዉ ሕጉሳት እዮም። 33 ተግሳጽ ስምዑ፡+ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ፣ከቶ እውን ዕሽሽ ኣይትበልዎ። 34 ኣንጊሁ ናብ ኣፍ ደገታተይ ብምምጻእን*ኣብ ልዳተይ ብምጽባይንዚሰምዓኒ ሰብ ሕጉስ እዩ። 35 እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ኪረክብ፡+ካብ የሆዋ ድማ ስምረት ኪረክብ እዩ። 36 ዕሽሽ ዚብለኒ ግና ንርእሱ* ይጐድኣ፣እቶም ዚጸልኡኒ ኸኣ ሞት ይፈትዉ።”+ 11 ዘይቅኑዕ* ሚዛን ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ልክዕ መምዘኒ* ግና ባህ የብሎ።+ 2 ድፍረት ምስ መጸ፡ ውርደት ይስዕብ፣+ጥበብ ግና ምስ ትሑታት እያ።+ 3 ንቕኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፣+ንጠለምቲ ግና ጠዋያት ምዃኖም የጥፍኦም።+ 4 ብመዓልቲ ነድሪ ሃብቲ* ኣይጠቅምን፣+ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።+ 5 መንቅብ ንዘይብሉ ጽድቁ መገዱ የቕንዓሉ፣እኩይ ግና ብሰንኪ እከዩ ይወድቕ።+ 6 ንቕኑዓት ጽድቆም የናግፎም፣+ጠለምቲ ግና ብትምኒቶም ይተሓዙ።+ 7 እኩይ ምስ ዚመውት፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፣ኣብ ሓይሉ እተመርኰሰ ትጽቢት እውን ይጠፍእ።+ 8 ጻድቕ ካብ ጭንቂ ይናገፍ፣እኩይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።+ 9 ከሓዲ* ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፣ጻድቃን ግና ብፍልጠት ይናገፉ።+ 10 ሕያውነት* ጻድቃን ንኸተማ የሐጕሳ፣እኩያት ምስ ጠፍኡ ኸኣ፡ እልልታ ይኸውን።+ 11 ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፣+ኣፍ እኩያት ግና የፍርሳ።+ 12 ልቢ ዘይብሉ ንብጻዩ ይንዕቆ፣ናይ ሓቂ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ግና ስቕ ይብል።+ 13 ሓማዪ እናዞረ ምስጢር ይቐልዕ፣+እሙን* ግና ምስጢር ይሕሉ።* 14 ጥበባዊ መምርሒ ምስ ዘይህሉ፡ ህዝቢ ይወድቕ፣ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ኣሳልጦ* ይርከብ።+ 15 ንዘይፈልጦ ሰብ ኪልቃሕ ዚውሓሶ* ኽፉእ ይረክብ፣+ከም መግለጺ ስምምዕ ኢድ ዘይጠቅዕ* ግና ደሓን ይረክብ። 16 ሕያወይቲ* ሰበይቲ ኽብሪ ተጥሪ፣+ጨካናት ግና ሃብቲ ይምንዝዑ። 17 ሕያዋይ ሰብ* ንርእሱ ይጠቅም፣*+ጨካን ግና ኣብ ርእሱ ጭንቂ* የምጽእ።+ 18 እኩይ ዜታልል ዓስቢ ይረክብ፣+ጽድቂ ዚዘርእ ግና ናይ ሓቂ ጻማ ይረክብ።+ 19 ንጽድቂ ጸኒዑ ዚቐውም ናብ ህይወት የምርሕ፣+ደድሕሪ እከይ ዚስዕብ ግና ናብ ሞት የምርሕ። 20 ቄናን ዝልቦም ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እዮም፣+ብመገዶም መንቅብ ዘይብሎም ግና ባህ የብልዎ።+ 21 በዚ ርግጸኛ ኹን፦* እኩይ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣+ዘርኢ ጻድቃን ግና የምልጡ። 22 ልብምና ዘይትደሊ መልክዐኛ ሰበይትስ፡ከምቲ ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ ዘሎ ቐለቤት ወርቂ እያ። 23 ትምኒት ጻድቃን ናብ ጽቡቕ ይመርሕ፣+እቲ እኩያት ተስፋ ዚገብሩሉ ግና፡ ናብ ቍጥዓ ይመርሕ። 24 ገሊኡ ብልግሲ ይህብ* እሞ፡ ዝያዳ ይረክብ፣+ገሊኡ እቲ ኺውሃብ ዚግባእ ይኸልእ እሞ፡ ይደኪ።+ 25 ለጋስ ሰብ* ጽቡቕ ይረክብ፣*+እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።+ 26 ሰባት ነቲ እኽሊ ዚሓብእ ይረግምዎ፣ነቲ ዚሸጦ ግና ይምርቕዎ። 27 እቲ ብትግሃት ጽቡቕ ኪገብር ዚደሊ፡ ሞገስ ይደሊ፣+እቲ ኽፉእ ኪገብር ዚደሊ ግና፡ ብርግጽ ከምኡ እዩ ዚወርዶ።+ 28 ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፣+ጻድቃን ግና ከም ኣቝጽልቲ ይለምዑ።+ 29 ኣብ ቤተ ሰቡ ጭንቂ* ዜምጽእ፡ ንፋስ ይወርስ፣+ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ጊልያኡ ይኸውን። 30 ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ፣+እቲ ነፍሳት* ዚረብሕ ድማ ጥበበኛ እዩ።+ 31 ጻድቕ ብርግጽ ኣብ ምድሪ ዚፍደ ኻብ ኰነ፡ንእኩይን ንሓጥእን ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይበጽሖም!+ 2 ወደየ፡ ቃለይ እንተ ተቐቢልካ፡ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ዓቚርካ፣+ 2 ከምኡ ንምግባር ድማ፡ እዝንኻ ናብ ጥበብ ከም ዜቕልብ፡+ልብኻ ኸኣ ናብ ምስትውዓል ከም ዚዝምብል እንተ ጌርካ፣+ 3 ብዘይካዚ፡ ንኣእምሮ እንተ ጸዊዕካያ፡+ንምስትውዓል ድማ እንተ ተዳሂኻያ፡+ 4 ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሊኻያ፡+ከም ንሕቡእ መዛግብቲ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ ኢልካያ፣+ 5 ሽዑ፡ ፍርሃት የሆዋ ኺርድኣካ እዩ፣+ፍልጠት ኣምላኽ እውን ክትረክብ ኢኻ።+ 6 የሆዋስ ጥበብ ይህብ፣+ካብ ኣፉ ኸኣ ፍልጠትን ምስትውዓልን ይወጽእ። 7 ንቕኑዓት ድማ ግብራዊ ጥበብ ይዓቝረሎም፣ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ ዋልታ እዩ።+ 8 ንመገድታት ፍትሒ ይቋመተን፡ንጐደና እሙናቱ ኸኣ ይሕልዋ እዩ።+ 9 ሽዑ፡ ጽድቅን ፍትሕን ቅንዕናን፡አረ መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ ኽትርዳእ ኢኻ።+ 10 ጥበብ ናብ ልብኻ ምስ ኣተወት፡+ፍልጠት ድማ ንነፍስኻ* ባህ ምስ ኣበለታ፡+ 11 ምምዝዛን ክትሕልወካ፡+ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ፣ 12 ካብ ሕማቕ መገዲ፡ካብቶም ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኸተድሕነካ እያ፣+ 13 ካብቶም ብመገድታት ጸልማት ኪመላለሱስ፡ንቕኑዕ ጐደናታት ዚሓድጉ፡+ 14 ካብቶም ብኽፉእ ግብሪ ዚሕጐሱ፡ብቔናን ክፍኣት እውን ባህ ዚብሎም፡ 15 ካብቶም ጐደናታቶም ቄናን፡ብዘሎ መገዶም ድማ ጠዋይ ዝዀኑ ኸተድሕነካ እያ። 16 ካብ ፋሉል* ሰበይቲ፡ካብ ልዙብ* ቃላት እታ እትምንዝር* ሰበይቲ ኸተድሕነካ እያ፣+ 17 ንሳ ንናይ ንእስነት ፈታዊኣ* ዝሓደገት፡+ኪዳን ኣምላኻ እውን ዝረስዐት እያ። 18 ቤታስ ናብ ሞት የውርድ፣መገድታታ ድማ ናብቶም ብሞት እተሰነፉ ይመርሕ።+ 19 ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ኣይምለስን፣ንመገድታት ህይወት እውን መሊሶም ኣይረኽብዋን እዮም።+ 20 ስለዚ፡ ጐደና ሕያዎት ስዓብ፣ኣብ መገድታት ጻድቃን እውን ጽናሕ፣+ 21 ከመይሲ፡ ቅኑዓት ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፣መንቅብ ዘይብሎም* ከኣ እዮም ኣብኣ ዚተርፉ።+ 22 እኩያት ግና ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ፡+ጠለምቲ ድማ ካብኣ ኺምሓዉ እዮም።+ 26 ከም ውርጪ ኣብ ሓጋይ፡ ዝናም ከኣ ኣብ ቀውዒ፡ከምኡ እውን ክብሪ ንዓሻ ዚግብኦ ኣይኰነን።+ 2 ከምቲ ዑፍ ክትሃድም፡ ለዃዂቶ ድማ ክትነፍር ምኽንያት ዘለዋ፣ከምኡ ኸኣ መርገም ብዘይ ናይ ሓቂ ምኽንያት ኣይበጽሕን እዩ።* 3 ሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡+ሻቦጥ ድማ ንዝባን ዓያሹ እዩ።+ 4 ንርእስኻ ኣብቲ ናቱ ደረጃ ኸይትገብርሲ፡*ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትመልሰሉ። 5 ጥበበኛ ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ መልሰሉ።+ 6 እቲ ነገሩ ንዓሻ ብሕድሪ ዚህብሲ፡ባዕሉ ኣእጋሩ ኸም ዜቝርን ገዛእ ርእሱ ኸም ዚጐድእን* ሰብ እዩ። 7 ምስላ ኣብ ኣፍ ዓያሹስ፡ከምተን ለዅሳሳት* ኣእጋር ሓንካስ እዩ።+ 8 ንዓሻ ኽብሪ ምሃብሲ፡እምኒ ኣብ ወንጭፍ ከም ምእሳር እዩ።+ 9 ምስላ ኣብ ኣፍ ዓያሹስ፡ከምቲ ኣብ ኢድ ሰኽራም ዘሎ ኣሻዅ ተኽሊ እዩ። 10 ዓሻ ወይ ሓላፍ መገዲ ዚቘጽርሲ፡ብወዝቢ* ኸም ዜቝስል ቀስተኛ እዩ። 11 ከምቲ ኸልቢ ናብ ትፋኡ ዚምለስ፡ዓሻ ንዕሽነቱ ይደግሞ።+ 12 ጥበበኛ ዝዀነ ዚመስሎ ሰብ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧+ ካብኡስ ንዓሻ ዝያዳ ተስፋ ኣለዎ። 13 ሃካይ፡ “ኣብ መገዲ ዘይባጽሐ ኣንበሳ ኣሎ፣ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ ኣሎ!” ይብል።+ 14 ከምቲ ማዕጾ ኣብ መፍሰል* ዚዘውር፡ሃካይ ከኣ ኣብ ዓራቱ ይዘውር።+ 15 ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፣ግናኸ፡ ናብ ኣፉ ምምላስ ይደክም።+ 16 ሃካይሲ ብልቦና ኻብ ዚምልሱ ሸውዓተ ሰባት፡ንሱ ዚጠብብ ይመስሎ። 17 ብዘይባእሱ ዚንድር* ሓላፍ መገዲ፡ከምቲ ኣእዛን ከልቢ ዚሕዝ እዩ።+ 18 ከምቲ ጽሉል ሃልሃል ዚብል ተወርዋርን ፍላጻን ሞትን* ዚውርውር፡ 19 ንብጻዩ ኣታሊልዎስ፡ “ክጻወተካ እየ!” ዚብሎ እውን ከምኡ እዩ።+ 20 ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ፣ሓማዪ ኣብ ዘይብሉ፡ ባእሲ የቋርጽ።+ 21 ከምቲ ፈሓም ንጓህሪ፡ ዕንጨይቲ ድማ ንሓዊ ዚኸውን፡ነግራም ሰብኣይ ባእሲ ይውልዕ።+ 22 ቃላት ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶ* እዩ፣ምስ ተዋሕጠ ኽሳብ ከብዲ ይወርድ።+ 23 ካብ እኩይ ልቢ ዚወጽእ ቃላት ፍትወትሲ፡*ኣብ ገልዒ ኸም እተለበጠ ብሩር እዩ።+ 24 ንኻልኦት ዚጸልእ፡ ነዚ ብኸናፍሩ ይሓብኦ፣ኣብ ውሽጡ ግና ምትላል የንብር። 25 ኣብ ልቡ ሸውዓተ ፍንፉን ነገር ኣለዎ እሞ፡*ዘረባኡ ጥዑም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣይትእመኖ። 26 ጽልኡ ብተንኰል እኳ እንተ ተሓብአ፡እከዩስ ኣብ ጉባኤ ኪቕላዕ እዩ። 27 ጕድጓድ ዚዅዕት፡ ኣብኣ ይወድቕ፣እምኒ ዜንከባልል ከኣ፡ ንሳ ትምለሶ።+ 28 ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዝደቘሰቶም ትጸልኦም፣ሸሓጢት ኣፍ ድማ ጥፍኣት ተምጽእ።+ 4 ደቀየ፡ ተግሳጽ ኣቦ ስምዑ፣+ኣእምሮ ኽትረኽቡስ ኣቕልቡ፣ 2 ኣነስ ጽቡቕ ትምህርቲ ኽህበኩም እየ፣ንትምህርተይ* ኣይትሕደግዎ።+ 3 ኣነ እውን ንኣቦይ ናይ ሓቂ ወዱ ነይረ፡+ምናዳ ኸኣ ብኣደይ እፍቶ ነይረ።+ 4 ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ምሂሩኒ፦ “ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሓዞ።+ ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ።+ 5 ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንኣእምሮ ኣጥርያ።+ ነቲ ዝብሎ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡ እውን ኣይተልግስ። 6 ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ከተዕቍበካ እያ። ኣፍቅራ፡ ንሳ ድማ ክትሕልወካ እያ። 7 ጥበብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት* ነገር እያ እሞ፡+ ንጥበብ ኣጥርያ፣ብዅሉ እቲ ዘጥረኻዮ ድማ፡ ንኣእምሮ ኣጥርያ።+ 8 ክብ ኣብላ፡ ንሳ እውን ልዕል ከተብለካ እያ።+ ስለ ዝሓቘፍካያ፡ ከተኽብረካ እያ።+ 9 ኣብ ርእስኻ ማራኺ ኣኽሊል ከተንብረልካ እያ፣ብዘውዲ ጽባቐ ኽትስልመካ እያ።” 10 ወደየ፡ ስማዕ እሞ፡ ቃላተይ ተቐበል፣ዓመታት ህይወትካ ድማ ኪበዝሕ እዩ።+ 11 ብጐደና ጥበብ ክምህረካ እየ፣+ብመገድታት ቅንዕና ኽመርሓካ እየ።+ 12 ክትከይድ ከለኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪዕገትን እዩ፣እንተ ጐዪኻ እውን፡ ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። 13 ህይወትካ እያ እሞ፡+ንተግሳጽ ሓዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሓልዋ እውን።+ 14 ናብ መገዲ እኩያት ኣይትእቶ፣ብጐደና ኽፉኣት ከኣ ኣይትኺድ።+ 15 ካብኣ ርሓቕ፡ ብእኣ ኣይትኺድ፣+ካብኣ ኣልግስ፡ ሓሊፍካያ ድማ ኪድ።+ 16 ንሳቶምሲ ኽፉእ እንተ ዘይገይሮም፡ ኣይድቅሱን እዮም። ንገለ እንተ ዘየውዲቖም ከኣ፡ ድቃስ ይስእኑ እዮም። 17 እንጌራ እከይ ይበልዑ፡ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ እዮም። 18 መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብሩህ ብርሃን ወጋሕታ እያ፣ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚቐትር ከኣ እናበርሀት ትኸይድ።+ 19 መገዲ እኩያት ከም ጸልማት እያ፣እንታይ ከም ዜዐንቅፎም ድማ ኣይፈልጡን። 20 ወደየ፡ ንቓላተይ ኣቕልበለን፣ንዘረባይ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ።* 21 ካብ ኣዒንትኻ ኣይተርሕቀን፣ኣብ ውሽጢ ልብኻ ሓልወን፣+ 22 ንሳተንሲ ንዚረኽብወን ህይወት፡+ንምሉእ ሰብነቶም* ከኣ ጥዕና እየን። 23 ምንጭታት ህይወት ካብኡ እዩ እሞ፡ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።+ 24 ቄናን ዘረባ ኻባኻ እለ፣+ጠዋይ ዘረባ ድማ ካባኻ ኣርሕቕ። 25 ኣዒንትኻ ትኽ ኢለን ይርኣያ፣እወ፡ ጠመተኻ ብቐጥታ ኣብ ቅድሜኻ የተኵር።+ 26 ንመገዲ ኣእጋርካ ኣጣጥሓዮ፣*+ኵሉ ጐደናታትካ ኸኣ ጽኑዕ ኪኸውን እዩ። 27 ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይትዘምብል።+ ንኣእጋርካ ኻብ ክፉእ ኣርሕቀን። 16 ሰብ ሓሳባት ልቡ የዳሉ፣*እቲ ዚህቦ ምላሽ* ግና ካብ የሆዋ እዩ።+ 2 ሰብሲ ዅሉ መገድታቱ ቕኑዕ* ይመስሎ፣+የሆዋ ግና ውሽጣዊ ድራኸታት* ይምርምር።+ 3 እትገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣*+ውጥናትካ እውን ኪዕወት እዩ። 4 የሆዋስ ኵሉ ንዕላማኡ ገበሮ፣እወ፡ ንእኩይ እኳ ንመዓልቲ ጥፍኣት ገበሮ።+ 5 ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።+ ከይተቐጽዐ ኸም ዘይተርፍ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።* 6 ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕርን ብተኣማንነትን፡ ስሕተት ብዕርቂ ይኽደን፣+ንየሆዋ ምፍራህ ከኣ ካብ ክፉእ የርሕቕ።+ 7 የሆዋ ብመገድታት ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ፡ንጸላእቱ እኳ ምስኡ ሰላም የግብሮም።+ 8 ካብ ብዙሕ እቶት ብዘይ ፍትሕስ፡ሒደት ምስ ጽድቂ ይሓይሽ።+ 9 ሰብ ብልቡ መገዱ ይሓስብ ይኸውን፣ስጕምትታቱ ዜቕንዐን ግና የሆዋ እዩ።+ 10 ውሳነ ኣምላኽ ኣብ ከናፍር ንጉስ ኪህሉ ይግባእ፣+ኣብ ፍትሒ ኸቶ ዘይእሙን ኪኸውን የብሉን።+ 11 ቅኑዕ መምዘንን ሚዛንን ካብ የሆዋ እዩ፣ኵሉ እቲ ኣብ ከረጺት ዘሎ መምዘኒ፡ ተግባሩ እዩ።+ 12 ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡+እኩይ ተግባራት ኣብ ነገስታት ፍንፉን እዩ።+ 13 ዘረባ ጽድቂ ንነገስታት ባህ የብሎም። ብቕንዕና ዚዛረብ እውን የፍቅሩ።+ 14 ነድሪ ንጉስሲ ኸም ልኡኽ ሞት እዩ፣+ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ።*+ 15 ኣብ ብርሃን ገጽ ንጉስ፡ ህይወት ኣሎ፣ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ዝናም ጽብሓት እዩ።+ 16 ምጥራይ ጥበብሲ ኻብ ወርቂ ኽንደይ ኰን ይበልጽ!+ምጥራይ ኣእምሮ ድማ ካብ ብሩር ይሕረ።+ 17 ጐደና ቕኑዓት ካብ ክፉእ ትርሕቕ። ንመገዱ ዚሕልዋ፡ ንህይወቱ* የዕቍባ።+ 18 ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ፣መንፈስ ትዕቢት ከኣ ቅድሚ ምዕንቃፍ እዩ።+ 19 ምስ ዕቡያት ምርኮ ኻብ ምምቓልሲ፡ኣብ መንጎ ዓቃላት፡* ትሑት* ምዃን ይሓይሽ።+ 20 እቲ ኣብ ነገር ልቦና ዜርኢ፡ ኣሳልጦ* ይረክብ፣ብየሆዋ ዚእመን* ድማ ሕጉስ እዩ። 21 ጥበበኛ ዝልቡ ብዓል ኣእምሮ ይብሃል፣+ጥዑም ዝዘረባኡ* ዜእምን እዩ።+ 22 ልቦና ንዚውንኖ ምንጪ ህይወት እዩ፣ዓያሹ ግና ብዕሽነቶም ይግሰጹ። 23 ልቢ ጥበበኛ ንኣፉ ልቦና ይህቦ፣+ንዘረባኡ ኸኣ ዜእምን ይገብሮ። 24 ባህ ዜብል ቃላት ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር እዩ፣ንነፍሲ* ጥዑም፡ ንኣዕጽምቲ ድማ ፈውሲ እዩ።+ 25 ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።+ 26 ሸቃሊ ብጥሜቱ* ይግደድ እዩ እሞ፡ሸውሃቱ* ኸም ዚጽዕር ይገብሮ።+ 27 ዘይጠቅም ሰብ ክፍኣት ይዅዕት፣+ዘረባኡ ኸም ዜሕርር ሓዊ እዩ።+ 28 መሸገሪ* የባእስ፣+ሓማዪ ኸኣ ንናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ።+ 29 ዓማጺ ሰብ ንብጻዩ የስሕቶ፣ናብ ጌጋ መገዲ ድማ ይመርሖ። 30 ጕድኣት ኪሓስብ ከሎ፡ ዓይኑ ይጸቅጥ። ክፍኣቱ ኺፍጽም ከሎ፡ ከናፍሩ ይርምጥጥ። 31 ብመገዲ ጽድቂ ኺርከብ ከሎስ፡+ሸያብ ጸጕሪ፡ ዘውዲ ጽባቐ* እዩ።+ 32 ንቝጥዓ ደንጓዪ፡+ ካብ ጅግና፡ስምዒቱ ዚቈጻጸር* ድማ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ይበልጽ።+ 33 ዕጫ ናብ ሕቝፊ ይወድቕ፣+ኵሉ እቲ ብእኡ ዚውሰን ውሳነ ግና ካብ የሆዋ እዩ።+ 6 ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተዋሒስካዮ፡+ምእንቲ ኻልእ ሰብ ኢድ እንተ ጠቒዕካ፡*+ 2 ብዝኣቶኻዮ ቓል እንተ ተፈንጢርካ፡ብቓላት ኣፍካ ድማ እንተ ተታሒዝካ፡+ 3 ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፡ከምዚ ጌርካ ንርእስኻ ኣናግፋ፦ ኪድ፡ ትሕት በል፡ ንብጻይካ ድማ ብህጹጽ ለምኖ።+ 4 ንኣዒንትኻ ድቃስ፡ንኸበሮ ዓይንኻ ድማ ሰለምታ ኣይትሃብ። 5 ከም ሰስሓ ኻብ ኢድ ሃዳናይ፡ከም ዑፍ ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዑፍ፡ ርእስኻ ኣድሕን። 6 ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፣+መገድታቱ ተዓዘብ እሞ፡ ጥበበኛ ኹን። 7 ኣዛዚ፡ ወይ ሓለቓ፡ ወይ ገዛኢ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ 8 ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ፣+ቀለቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ። 9 ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ በጥ ክትብል፧ ካብ ድቃስካኸ መዓስ ክትትንስእ ኢኻ፧ 10 ቍሩብ ትድቅስ፡ ቍሩብ ትኽስ ትብል፡ከተዕርፍ ኢልካ ቝሩብ ኣእዳውካ ተጣምር፣+ 11 ሽዑ፡ ድኽነትካ ኸም ሽፍታ፡ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።+ 12 ዘይጠቅምን እኩይን ሰብ ብቔናን ዘረባ ይመላለስ፣+ 13 ዓይኑ ይጸቅጥ፡+ ብኣእጋሩ የመልክት፡ ኣጻብዑ ኸኣ የንቀሳቕስ። 14 ብቔናን ልቢ፡ወትሩ ኽፉእ ይሓስብ፡+ ባእሲ ድማ ይዘርእ።+ 15 ስለዚ፡ ጥፍኣቱ ብሃንደበት ኪመጽእ፣ብቕጽበት ከኣ ከም ዘይሓዊ ዀይኑ ኺስበር እዩ።+ 16 የሆዋ ዚጸልአን ሽዱሽተ ነገር ኣለዋ፣እወ፡ ዚፍንፍነን* ሸውዓተ ነገር ኣለዋ፦ 17 ዕብይቲ ዓይኒ፡+ ሓሳዊት ልሳን፡+ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡+ 18 እኩይ ሓሳብ ዚምህዝ ልቢ፡+ ናብ ክፍኣት ቀልጢፈን ዚጐይያ ኣእጋር፡ 19 ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ሓሳዊ ምስክር፡+ኣብ መንጎ ኣሕዋት ከኣ ባእሲ ዚዘርእ።+ 20 ወደየ፡ ትእዛዝ ኣቦኻ ሓሉ፣ትምህርቲ* ኣዴኻ ድማ ኣይትሕደግ።+ 21 ወትሩ ኣብ ልብኻ እሰሮ፣ኣብ ክሳድካ እውን ግበሮ። 22 ክትከይድ ከለኻ፡ ኪመርሓካ እዩ፣በጥ ክትብል ከለኻ፡ ኪሕልወካ እዩ፣ምስ ነቓሕካ፡ ኪዛረበካ* እዩ። 23 ትእዛዝሲ መብራህቲ፡+ሕጊ ኸኣ ብርሃን፡+መግናሕቲ ተግሳጽ ድማ መገዲ ህይወት እዩ።+ 24 ካብ ክፍእቲ ሰበይቲ፡+ካብ ዜስሕት ልሳን እትምንዝር* ሰበይቲ ኺሕልወካ እዩ።+ 25 ብልብኻ ንጽባቐኣ ኣይትመነዮ፣+ብዚስሕብ ኣዒንታ ድማ ኣይትማርኽካ፣ 26 ብሰንኪ ኣመንዝራስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፣+ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ከኣ ክብርቲ ህይወት* እያ እትሃድን። 27 ሰብዶ ሓዊ ሓቚፉስ ክዳውንቱ ኣይነድድን እዩ፧+ 28 ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሓርርን እዩ፧ 29 ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚኣቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፣ዚትንክያ ዘበለ ኸይተቐጽዐ ኣይተርፍን እዩ።+ 30 ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል* ኢሉ እንተ ሰሪቑ፡ሰብ ኣይንዕቆን እዩ። 31 ምስ ተረኽበ ግና፡ ሸውዓተ ዕጽፊ እዩ ዚኽሕስ፡ኵሉ ጥሪት ቤቱ ድማ እዩ ዚህብ።+ 32 ምስ ሰበይቲ ዚዝሙ ዘበለ ልቢ የብሉን፣እቲ ኸምኡ ዚገብር፡ ኣብ ርእሱ* ጥፍኣት የምጽእ።+ 33 ቍስልን ውርደትን ጥራይ እዩ ዚረክብ፣+ነውሩ ኸኣ ኣይድምሰስን እዩ።+ 34 ቅንእስ ንሰብኣይ የነድሮ እዩ፣ሕነ ኺፈዲ ኸሎ ድማ ኣይርሕርሕን እዩ።+ 35 ካሕሳ* ኣይቅበልን እዩ፣ህያብ ኣብዚሕካ እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይሃድእን እዩ። 25 እዚኣተን፡ ሰብ ህዝቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ዝቐድሕወን* ምስላታት ሰሎሞን+ እየን፦ 2 ንነገር ምስጢር ጌርካ ምሓዝ፡ ክብሪ ኣምላኽ እዩ፣+ነገር ምምርማር ከኣ ክብሪ ነገስታት እዩ። 3 ከምቲ ሰማያት ላዕሊ፡ ምድሪ ድማ ታሕቲ ዝዀነ፡ልቢ ነገስታት ድማ ዘይምርመር እዩ። 4 ንብሩር ሓተላኡ ኣወግደሉ እሞ፡ምሉእ ብምሉእ ጸርዩ ኺወጽእ እዩ።+ 5 ካብ ቅድሚ ንጉስ ንእኩይ ኣወግዶ እሞ፡ዝፋኑ ብጽድቂ ኺጸንዕ እዩ።+ 6 ኣብ ቅድሚ ንጉስ ርእስኻ ኣይተኽብር፣+ኣብ መንጎ ምርኡያት ድማ ኣይትቑም።+ 7 ኣብ ቅድሚ ልዑል ካብ እትዋረድሲ፡ንሱ፡ “ናብዚ ደይብ” እንተ በለካ ይሓይሽ።+ 8 ናብ ነገር ኣይትተሃወኽ፣እንተ ዘይኰነስ፡ ብጻይካ ምስ ኣሕፈረካ፡ ደሓር እንታይ ክትገብር ኢኻ፧+ 9 ብዛዕባ ጕዳይካ ምስ ብጻይካ ተማጐት፣+እቲ ብምስጢር እተነግረካ* ግና ኣይትቕላዕ።+ 10 ዝሰምዐ ድማ ኣይኬሕፍረካን እዩ፣ኪምለስ ዘይክእል ክፉእ ወረ እውን ኣይክትዝርግሕን ኢኻ። 11 ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል፡ከም ቱፋሕ ወርቂ ኣብ ኣቕሓ ብሩር እዩ።+ 12 ንእትሰምዕ እዝንስ፡ ጥበበኛ ገናሒከም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።+ 13 እሙን ልኡኽ ንለኣኽቱ፡ከምቲ ዛሕሊ ውርጪ ብመዓልቲ ቐውዒ እዩ፣ንሱስ ንጐይታኡ የቕስኖ።*+ 14 ብዛዕባ ዘይውሃብ ህያብ* ዚምካሕ ሰብ፡ከምቲ ዝናም ዘየምጽእ ደበናን ንፋስን እዩ።+ 15 ኣዛዚ ብትዕግስቲ ይስነፍ፣ልእምቲ ልሳን ድማ ዓጽሚ ትሰብር።+ 16 መዓር እንተ ረኺብካ፡ ዜድልየካ ጥራይ ብላዕ፣እምብዛ እንተ ኣብዚሕካዮ፡ ክትተፍኦ ኢኻ።+ 17 ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ኸይጸልኣካስ፡ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተብዝሕ። 18 እቲ ኣብ ብጻዩ ብሓሶት ዚምስክርሲ፡ከም ሻፎን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ።+ 19 ብግዜ ጭንቂ ኣብ ዘየተኣማምን* ሰብ ዘሎ እምንቶስ፡ከም ሸራፍ ስንን ዘይጽኑዕ እግርን እዩ። 20 ንጕሁይ ልቢ ደርፊ ዚደርፈሉስ፡ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኽዳን ዚቕንጥጥንከምቲ ኣብ ሶዳ* ዚፈስስ መጺጽን እዩ።+ 21 ጸላኢኻ* እንተ ጠምዩ፡ እንጌራ ኣብልዓዮ፣እንተ ጸሚኡ እውን፡ ማይ ኣስትዮ።+ 22 በዚ ኸምዝስ፡ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽትኵምር ኢኻ፣*+የሆዋ ኸኣ ኪፈድየካ እዩ። 23 ንፋስ ሰሜን ብርቱዕ ዝናም የምጽእ፣ወረኛ ልሳን ድማ ቍጡዕ ገጽ ተምጽእ።+ 24 ካብ ምስ ነግራም* ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ኣብ ኵርናዕ ናሕሲ ምቕማጥ ይሓይሽ።+ 25 ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ጽቡቕ ወረ፡ከም ዝሑል ማይ ንዝደኸመት ነፍሲ* እዩ።+ 26 ኣብ ቅድሚ እኩይ ዚምብርከኽ* ጻድቕሲ፡ከም እተዘርገት ዓይኒ ማይን ከም እተበላሸወት ዒላን እዩ። 27 መዓር እምብዛ ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+ክብሪ ርእስኻ ምድላይ እውን ዜኽብር ኣይኰነን።+ 28 ስምዒቱ ኺቈጻጸር* ዘይክእል ሰብሲ፡መካበብያ ኸም ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።+ 10 ምስላታት ሰሎሞን።+ ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ። 2 ብእከይ እተረኽበ መዛግብቲ ኣይጠቅምን፣ጽድቂ ግና ካብ ሞት ተናግፍ።+ 3 የሆዋ ንጻድቕ ኪጠሚ ኣይሓድጎን፣*+ንእኩያት ግና ዚሃርፍዎ ይኸልኦም። 4 ህኩያት ኣእዳው የድክያ፣+ትጉሃት ኣእዳው ግና የሀብትማ።+ 5 ልቦና ዘለዎ ወዲ ብሓጋይ እኽሊ ይእክብ፣ዜሕፍር ወዲ ግና ብቐውዒ በጥ ኢሉ ይድቅስ።+ 6 በረኸት ኣብ ርእሲ ጻድቕ እዩ፣+ኣፍ እኩያት ግና ዓመጻ ይሓብእ። 7 መዘከርታ* ጻድቕ ንበረኸት እዩ፣+ስም እኩያት ግና ይምሽምሽ።+ 8 ጥበበኛ ዝልቡ ትምህርትታት* ይቕበል፣+ብዕሽነት ዚዛረብ ግና ይርገጽ።+ 9 ብንጽህና ዚመላለስ ብደሓን ይመላለስ፣+መገድታቱ ቔናን ዚገብር ግና ይፍለጥ።+ 10 ብኽፍኣት ዓይኑ ዚጸቅጥ ጓሂ የምጽእ፣+ብዕሽነት ዚዛረብ ከኣ ይርገጽ።+ 11 ኣፍ ጻድቕ ምንጪ ህይወት እዩ፣+ኣፍ እኩያት ግና ዓመጻ ይሓብእ።+ 12 ጽልኢ፡ ባእሲ የለዓዕል፣ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኸድኖ።+ 13 ጥበብ ኣብ ከናፍር ኣስተውዓሊ ይርከብ፣+ሻቦጥ ግና ንዝባን ልቢ ዘይብሉ እዩ።+ 14 ጥበበኛታት ፍልጠት ይዓቝሩ፣+ኣፍ ዓሻ ግና ጥፍኣት ይዕድም።+ 15 ንሃብታምሲ ሃብቱ* እተዓርደ ኸተማኡ እዩ። ንድኻ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።+ 16 ተግባር ጻድቕ ናብ ህይወት ይመርሕ፣ፍርያት እኩይ ግና ናብ ሓጢኣት ይመርሕ።+ 17 ተግሳጽ ዚሰምዕ፡ መገዲ ህይወት እዩ፣*መግናሕቲ ዕሽሽ ዚብል ግና፡ የስሕት። 18 ጽልኡ ዚሓብእ፡ ሓሶት ይዛረብ፣+ክፉእ ወረ* ዚዝርግሕ ድማ፡ ዓሻ እዩ። 19 ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን፣+ከናፍሩ ዚቈጻጸር ግና፡ ኣስተውዓሊ እዩ።+ 20 ልሳን ጻድቕ ከም ብሉጽ ብሩር እዩ፣+ልቢ እኩይ ግና ዳርጋ ዋጋ የብሉን። 21 ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይዕንግላ፣*+ዓያሹ ግና ሰኣን ልቢ ይሞቱ።+ 22 በረኸት የሆዋ የሀብትም፣+ስቓይ* እውን ኣይውስኸሉን። 23 ንዓሻስ ዜሕፍር ነገር ምግባር ከም ጸወታ እዩ፣ጥበብ ግና ንኣስተውዓሊ ሰብ እያ።+ 24 ንእኩይ እቲ ዚፈርሆ ይመጾ፣ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይውሃቦም።+ 25 ህቦብላ ምስ ዚሓልፍ፡ እኩይ ኣይህሉን፣+ጻድቕ ግና ንዘለኣለም መሰረት እዩ።+ 26 ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ንኣዒንቲ፡ሃካይ ንለኣኺኡ* ኸምኡ እዩ። 27 ፍርሃት የሆዋ ህይወት የንውሕ፣+ዓመታት እኩያት ግና ኪሓጽራ እየን።+ 28 ትጽቢት* ጻድቃን ሓጐስ የምጽእ፣+ተስፋ እኩያት ግና ኪጠፍእ እዩ።+ 29 መገዲ የሆዋ፡ መንቅብ ንዘይብሉ ዕርዱ እያ፣+ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።+ 30 ጻድቕ ከቶ ኣይወድቕን፣+እኩያት ግና ኣብ ምድሪ ኣይነብሩን።+ 31 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የፍሪ፣ቄናን ልሳን ግና ትምንቈስ። 32 ከናፍር ጻድቕ ባህ ዜብል ይፈልጣ፣ኣፍ እኩያት ግና ቄናን እዩ። 14 ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ፣+ዓሻ ግና ብገዛእ ኣእዳዋ ተፍርሶ። 2 ብቕንዕናኡ ዚመላለስ፡ ንየሆዋ ይፈርሆ፣መገድታቱ ቔናን ዝዀነ ግና፡ ይንዕቆ። 3 በትሪ ትዕቢት ኣብ ኣፍ ዓያሹ እዩ፣ከናፍር ጥበበኛታት ግና የዕቍቦም። 4 ከብቲ ኣብ ዘይብሉ፡ መብልዕ ማል ይጸሪ፣ሓይሊ ብዕራይ ግና ብዙሕ እኽሊ የፍሪ። 5 እሙን ምስክር ኣይሕሱን፣ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት ጥራይ የውስእ።+ 6 መላገጺ ንጥበብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን። ብዓል ኣእምሮ ግና ብቐሊሉ ፍልጠት ይረክብ።+ 7 ካብ ዓሻ ርሓቕ፣ኣብ ከናፍሩስ ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ።+ 8 ጐራሕ ብጥበብ ነታ ዚኸደላ መገዲ ይርድኣ፣ዓያሹ ግና ብዕሽነቶም ይታለሉ።*+ 9 ዓያሹ ብበደል* ይዋዘዩ፣+ኣብ መንጎ ቕኑዓት ግና ንምትዕራቕ ፍቓደኛነት* ኣሎ። 10 ልቢ ንምረቱ* ይፈልጦ፣ካልእ ከኣ ኣብ ሓጐሱ ኣይካፈልን። 11 ቤት እኩያት ትጠፍእ፣+ድንኳን ቅኑዓት ግና ትዕምብብ። 12 ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣+ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።+ 13 እናሰሓቕካ እኳ ልቢ ይሳቐ፣ሓጐስ ድማ ብጓሂ ኺውዳእ ይኽእል። 14 ፋሉል ዝልቡ፡ ፍረ መገድታቱ ይዓጽድ፣+ሕያዋይ ሰብ ግና ዓስቢ ተግባራቱ ይዓጽድ።+ 15 ገርሂ፡* ኵሉ ቓል ይኣምን፣ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።+ 16 ጥበበኛ ጥንቁቕ ብምዃኑ፡ ካብ እከይ ይርሕቕ፣ዓሻ ግና ዘይግድሶን* እምብዛ ብርእሱ ዚተኣማመንን እዩ። 17 ቀልጢፉ ዚቝጣዕ ዕሽነት ይገብር፣+ዜመዛዝን ሰብ ግና ይጽላእ። 18 ገርህታት* ዕሽነት ይወርሱ፣ንጐራሓት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።+ 19 ክፉኣት ኣብ ቅድሚ ሕያዎት ይሰግዱ፣እኩያት ድማ ኣብ ኣፍ ደገታት ጻድቃን ይሰግዱ። 20 ድኻ ብብጾቱ እኳ ይጽላእ፣+ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።+ 21 ንብጻዩ ዚንዕቕ ይሓጥእ፣ንትሑት ዚርሕርሓሉ ግና ሕጉስ እዩ።+ 22 እቶም ክፍኣት ዚሓስቡስ ኣይጋገዩንዶ፧ ጽቡቕ ዚሕልኑ ግና ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ይረኽቡ።+ 23 ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ፣ዘረባ ጥራይ ግና ናብ ስእነት ይመርሕ።+ 24 ሃብቲ ንጥበበኛታት ዘውዶም እዩ፣ዕሽነት ዓያሹ ግና ዕሽነት ጥራይ እዩ።+ 25 ሓቀኛ ምስክር ህይወት ሰባት* የድሕን፣መታለሊ ግና ሓሶት ጥራይ የውስእ። 26 ኣብ ፍርሃት የሆዋ ጽኑዕ እምንቶ ኣሎ፣+ንደቁ ኸኣ መዕቈቢ ይዀኖም።+ 27 ፍርሃት የሆዋ፡ ምንጪ ህይወት እዩ፣ካብ መፈንጠራታት ሞት ድማ የርሕቕ። 28 ብዝሒ ህዝቢ ግርማ ንጉስ እዩ፣+ተገዛእቲ ዘይብሉ ገዛኢ ግና ይጠፍእ። 29 ንቝጥዓ ደንጓዪ ብዙሕ ምስትውዓል ኣለዎ፣+ዓቕሊ ዘይብሉ ግና ዕሽነት የርኢ።+ 30 ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት* ይህብ፣ቅንኢ ግና ንኣዕጽምቲ ቝንቍነ እዩ።+ 31 ንትሑት ዚዕምጾ ንገባሪኡ ይጸርፎ፣+ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።+ 32 እኩይ ብእከዩ ይወድቕ፣ጻድቕ ግና ኣብ ንጽህናኡ መዕቈቢ ይረክብ።+ 33 ጥበብ ኣብ ልቢ ብዓል ኣእምሮ ብጸጥታ ትዓርፍ፣+ኣብ መንጎ ዓያሹ ግና ገዛእ ርእሳ ተፍልጥ። 34 ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፣+ሓጢኣት ግና ንህዝቢ ውርደት እዩ። 35 ንጉስ ልቦና ብዘለዎ ጊልያ ባህ ይብሎ፣+ነድሩ ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዜሕፍር ዝግብሮም እዩ።+ 9 ናይ ሓቂ ጥበብ ቤታ ሃኒጻ ኣላ፣ሸውዓተ ኣዕኑዳ ጸሪባ* ኣላ። 2 ሕሩዳ ሓሪዳ፡ወይና ሓዋዊሳ፡መኣዳ እውን ኣሰናድያ ኣላ። 3 ኣብ ልዕሊ ኸተማ ኻብ ዘሎ በረኽቲ ኽትጽውዕ+ኣግራዳ ልኢኻ ኣላ፣ 4 “ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ” ትብል። ልቢ ንዘይብሉ ዘበለ ኸኣ ከምዚ ትብሎ፦ 5 “ንዑ፡ እንጌራይ ብልዑ፡ዝሓዋወስክዎ ወይኒ እውን ስተዩ። 6 ዘይልብምና ሕደጉ* እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፣+ብመገዲ ኣእምሮ ንቕድሚት ኪዱ።”+ 7 ንመላገጺ ዚእርምሲ ውርደት ይዕድም፣+ንእኩይ ዚገንሕ ከኣ ይጕዳእ። 8 ንመላገጺ ኣይትግንሓዮ፡ እንተ ዘይኰነስ ኪጸልኣካ እዩ።+ ንጥበበኛ ግንሓዮ፡ ንሱ ድማ ኬፍቅረካ እዩ።+ 9 ንጥበበኛ ኣካፍሎ፡ ብዝያዳ ኺጠብብ እዩ።+ ንጻድቕ ምሃሮ፡ ንምህሮኡ ኺውስኸሉ እዩ። 10 ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ፣+ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ+ ከኣ ኣእምሮ እዩ። 11 ብኣይሲ መዓልትታትካ ኺበዝሓ እየን፣+ኣብ ህይወትካ ድማ ዓመታት ኪውሰኸልካ እዩ። 12 ጥበበኛ እንተ ዄንካ፡ ንጥቕምኻ ኢኻ እትጠብብ፣መላገጺ እንተ ዄንካ ኸኣ፡ በይንኻ ኢኻ እትጾሮ። 13 ዓሻ ሰበይቲ ዋዕዋዕተኛን+ደንቈሮን ሓንቲ እኳ ዘይትፈልጥን እያ። 14 ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ፡ኣብ በረኽቲ እታ ኸተማ ኣብ መንበር ኮፍ ትብል፣+ 15 ንሓለፍቲ መገዲ፡ነቶም ብመገዶም ትኽ ኢሎም ዚኸዱ ትጽውዖም፣ 16 “ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ” ትብሎም። ልቢ ንዘይብሎም ከኣ ከምዚ ትብሎም፦+ 17 “ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፣ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ድማ ባህ ዜብል እዩ።”+ 18 ንሱ ግና እቶም ብሞት እተሰነፉ ኣብኡ ኸም ዘለዉ፡ኣጋይሻ እውን ኣብ መዓሙቝ መቓብር* ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ።+ 27 መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ብጽባሕ ኣይትመካሕ።+ 2 ኣፍካ ዘይኰነትሲ፡ ካልእ* ይንኣድካ፣ከናፍርካ ዘይኰናስ፡ ካልኦት ይንኣዱኻ።*+ 3 እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፣ዓሻ ዜሕርቐካ ሕርቃን ግና ካብ ክልቲኡ ይኸብድ።+ 4 ጭካነ ነድርን ውሒዝ ቍጥዓን ኣሎ፣ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ደው ኪብል ይኽእል፧+ 5 ካብ ሕቡእ ፍቕርስ፡ ግሉጽ መግናሕቲ ይሓይሽ።+ 6 ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፣+ናይ ጸላኢ ምስዓም ግና ብዙሕ* እዩ። 7 ሸውሃቱ ዝጸገበ ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር ይኣቢ፣*ንዝጠመየ ግና መሪር እኳ ጥዑም ይጥዕሞ።* 8 ካብ ቤቱ ዚዅብልል ሰብ፡ከምታ ኻብ ሰፈራ እትዅብልል* ዑፍ እዩ። 9 ዘይትን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፣ካብ ሓቀኛ ምኽሪ* ዚምንጩ ጥዑም ምሕዝነት ከኣ ከምኡ እዩ።+ 10 ንፈታዊኻ ወይ ንፈታው ኣቦኻ ኣይትሕደጎ፣ብመዓልቲ መዓትካ ድማ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትእቶ፣ኣብ ርሑቕ ካብ ዘሎ ሓው፡ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሓይሽ።+ 11 ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡+ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ።+ 12 ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣+ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ* ይጕድኡ። 13 ንዘይፈልጦ ንእተዋሕሰ፡ ክዳኑ ውሰደሉ፣ካብቲ ንጓና ሰበይቲ* ኸምኡ ዝገበረ፡ ትሕጃ ውሰድ።+ 14 ሓደ ሰብ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ምስ ዚምርቖ፡ከም ዝረገሞ እዩ ዚቝጸር። 15 ነግራም* ሰበይቲ ኸምቲ ብመዓልቲ ዝናም ከየቋረጸ ዜልሕዅ ናሕሲ እያ።+ 16 ንዓኣ ኺዓግት ዚኽእልሲ፡ ንንፋስ ኪዓግት፡ብየማነይቲ ኢዱ ድማ ዘይቲ ኺዓሙዅ ይኽእል እዩ። 17 ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዚስሕሎ፡ከምኡ ኸኣ ሰብ ንፈታዊኡ* ይስሕሎ።+ 18 ንኦም በለስ ዚከናኸን፡ ፍሪኡ ይበልዕ፣+ንጐይታኡ ዚከናኸን ድማ፡ ይኸብር።+ 19 ከምቲ ማይ ንገጽ ዜንጸባርቖ፡ልቢ ሓደ ሰብ ከኣ ነቲ ናይቲ ሓደ የንጸባርቖ። 20 መቓብርን ቦታ ጥፍኣትን* ከቶ ኣይጸግቡን፣+ኣዒንቲ ሰብ እውን ፈጺመን ኣይጸግባን። 21 ከምቲ መምከኺ ቝራዕ ንብሩር፡ እቶን ድማ ንወርቂ ዝዀነ፡+ከምኡ ኸኣ ሰብ በቲ ዚውሃቦ ውዳሰ ይፍተን።* 22 ንዓሻ ኸም እተጐድአ እኽሊ ኣብ መጕእ ኣእቲኻብወዲ መጕእ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ዕሽነቱ ኣይምሓደጎን። 23 ትርኢት መጓሰኻ ኣጸቢቕካ ፍለጥ። ንኣባጊዕካ ተኸናኸነን።*+ 24 ሃብትስ ንዘለኣለም፡ዘውዲ እውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ።+ 25 ሳዕሪ ይጠፍእ፡ ለቕሚ ይበቍል፣ኣትክልቲ ኣኽራን ድማ ይእከብ። 26 ገንሸላት* ክዳን ይዀኑኻ፣ድቤላታት ድማ ዋጋ ግራት ይዀኑኻ። 27 ንምግብኻን ንምግቢ ቤተ ሰብካን ንመነባብሮ ኣግራድካንዚኣክል ጸባ ጤል ይህሉ። 13 ጥበበኛ ወዲ፡ ተግሳጽ ኣቦኡ ይቕበል፣+መላገጺ ግና፡ መግናሕቲ* ኣይሰምዕን።+ 2 ሰብ ብፍረ ዘረባኡ* ጽቡቕ ይበልዕ፣+ትምኒት* ጠለምቲ ግና ዓመጻ እዩ። 3 ኣፉ* ዚሕሉ፡ ንህይወቱ* የዕቍባ፣+ከናፍሩ ጋህ ንዜብል ግና፡ ጥፍኣት ይረኽቦ።+ 4 ሃካይ ሃረር ይብል እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረክብን፣*+ትጉሃት* ግና ምሉእ ብምሉእ ይጸግቡ።*+ 5 ጻድቕ ሓሶት ይጸልእ፣+ተግባራት እኩያት ግና የሕፍርን የዋርድን። 6 ጽድቂ ነቲ ንጹህ ዝመገዱ ተዕቍቦ፣+እከይ ግና ንሓጥእ የውድቖ። 7 ገለ እኳ ዘይብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል ኣሎ፣+ብዙሕ ሃብቲ ኸለዎ ኸኣ ንርእሱ ድኻ ዜምስል ኣሎ። 8 ሃብቲ ንህይወት* ሰብ በጃ ይኸውን፣+ድኻ ግና ዜስግኦ እኳ የብሉን።*+ 9 ብርሃን ጻድቃን ደሚቑ ይበርህ፣*+መብራህቲ እኩያት ግና ይጠፍእ።+ 10 ድፍረት ናብ ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመርሕ፣+ጥበብ ግና ናይቶም ምኽሪ ዚደልዩ* እያ።+ 11 ብቕልጡፍ* እተረኽበ ሃብቲ ይንኪ፣+በብቝሩብ* ዚእከብ ሃብቲ ግና ይውስኽ። 12 እተናውሐ ትጽቢት፡* ልቢ የሕምም፣+እተፈጸመ ትምኒት ግና፡ ኦም ህይወት እዩ።+ 13 ትምህርቲ* ዚንዕቕ፡ ይቕጻዕ፣+ትእዛዝ ዜኽብር ግና፡ ዓስቢ ይረክብ።+ 14 ትምህርቲ* ጥበበኛ ምንጪ ህይወት እዩ፣+ካብ መፈንጠራታት ሞት ድማ የርሕቕ። 15 ጽቡቕ ልቦና፡ ሞገስ የውህብ፣መገዲ ጠለምቲ ግና ከባድ እያ። 16 ጐራሕ ብፍልጠት ይገብር፣+ዓሻ ግና ገዛእ ዕሽነቱ ይቐልዕ።+ 17 እኩይ መልእኽተኛ ኣብ ሽግር ይወድቕ፣+እሙን ልኡኽ ግና የሕዊ።+ 18 ንተግሳጽ ዕሽሽ ዚብል፡ ናብ ድኽነትን ውርደትን የምርሕ፣መአረምታ* ዚቕበል ግና፡ ይኸብር።+ 19 ትምኒት ምስ ተፈጸመ ንሰብ* ጥዑም እዩ፣+ዓያሹ ግና ካብ ክፉእ ምርሓቕ ይጽልኦም።+ 20 ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣+ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።+ 21 ንሓጥኣን መዓት ይስዕቦም፣+ጻድቃን ግና ጽቡቕ ይፍደዩ።+ 22 ሕያዋይ ንደቂ ደቁ የውርሶም፣ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።+ 23 ሕሩስ ግራት ድኻታት ብዙሕ ምግቢ የፍሪ፣ሰኣን ፍትሒ ግና ኪጠፍእ* ይኽእል። 24 ንሻቦጡ ዘይጥቀመላ* ንወዱ ይጸልኦ፣+እቲ ዜፍቅሮ ግና ተጊሁ* ይግስጾ።+ 25 ጻድቕ በሊዑ ሸውሃቱ* የዕግብ፣+ከብዲ ሓጥኣን ግና ጥራዩ እዩ።+ 5 ወደየ፡ ንጥበበይ ኣቕልበሉ። ንምስትውዓለይ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ።*+ 2 በዚ ኸምዚ፡ ምምዝዛንካ ኽትሕሉ፡ብኸናፍርካ ኸኣ ፍልጠት ከተዕቍብ ኢኻ።+ 3 ከናፍር ፋሉል* ሰበይትስ ከም ጎጎ መዓር የንጠብጥብ፡+ኣፋ ድማ ካብ ዘይቲ ይልስልስ።+ 4 ኣብ መወዳእታ ግና፡ ከም ዕረ* መራር፡+ከም ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ኸኣ በላሕ እያ።+ 5 ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ። ስጕምትታታ ብቐጥታ ናብ መቓብር* ይመርሕ። 6 ብዛዕባ መገዲ ህይወት ኣይትሓስብን። ብኣካይዳኣ ትዅብልል፡ ናበይ ከም እትኸይድ ግና ኣይትፈልጥን። 7 ሕጂ ኸኣ፡ ደቀየ፡ ስምዑኒ፣ካብዚ ዝብሎ ዘለኹ ድማ ኣይተልግሱ። 8 ካብኣ ርሓቕ፣ናብ ኣፍ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ።+ 9 እንተ ዘይኰነስ፡ ክብርኻ ንኻልኦት ክትህብ፡+ዓመታት ሕሰም ድማ ክትዓጽድ ኢኻ፣+ 10 ንጥሪትካ* ኻልኦት ኪምዝምዝዎ፡+ጻማ ጻዕርኻ ኸኣ ናብ ቤት ጓና ኪኸይድ እዩ። 11 ኣብ መወዳእታ ህይወትካ ድማ፡ስጋኻን ሰብነትካን ምስ ተወድአ፡ ክትግዕር ኢኻ።+ 12 ከምዚ እውን ክትብል ኢኻ፦ “ክሳዕ ክንደይ ኰን እየ ተግሳጽ ጸሊአ!ልበይ እውን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ መግናሕቲ ንዒቑ! 13 ድምጺ መምህራነይ ኣይሰማዕኩን፣ንዚምህሩኒ እውን ኣየቕለብኩሎምን። 14 ኣብ ማእከል ብዘሎ ጉባኤ፡*ፈጺመ ኽጠፍእ ቍሩብ ተሪፉኒ ነይሩ።”+ 15 ማይ ካብ መዕቘር ማይካ፡ዚውሕዝ* ማይ ከኣ ካብ ዒላኻ ደኣ ስተ።+ 16 ዓይኒ ማያትካ ናብ ወጻኢ፡ወሓይዝ ማይካ ናብ ኣደባባያትዶ ኺፈስስ ይግባእ እዩ፧+ 17 ንዓኻ ጥራይ ደኣ ይኹን፣ካልኦትሲ ኣይካፈሉኻ።+ 18 ምንጭኻ ይባረኽ፡ብሰበይቲ ንእስነትካ ድማ ተሓጐስ፣+ 19 ንሳ ተፈታዊት እራብ፡ ውቅብቲ ወይጠል እያ።+ ኣጥባታ ዅሉ ግዜ የዕግብካ። ፍቕራ እውን ወትሩ ይማርኽካ።+ 20 ስለዚ፡ ወደየ፡ ስለምንታይ ብፋሉል* ሰበይቲ እትማረኽ፡ሕቝፊ እትምንዝር* ሰበይትስ እትሓቍፍ፧+ 21 ጐደናታት ሰብሲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እየን፣ንዅለን መገድታቱ ኸኣ ይምርምረን።+ 22 እኩይ ብስሕተቱ ይፍንጠር፡ብኣግማድ ሓጢኣቱ ድማ ይተሓዝ።+ 23 ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡መጠኑ ብዝሓለፈ ዕሽነት ከኣ ይስሕት። 21 ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ወሓይዝ ማይ እዩ።+ ናብ ባህ ዝበሎ የቕንዖ።+ 2 ሰብሲ ዅሉ መገድታቱ ቕኑዕ ይመስሎ፣+የሆዋ ግና ልቢ* ይምርምር።+ 3 ቅንዕናን ፍትሕን ምግባር፡ንየሆዋ ኻብ መስዋእቲ ብዝያዳ ባህ የብሎ።+ 4 ዕቡያት ኣዒንትን ትዕቢተኛ ልብን፡—እታ ንእኩያት እትመርሕ መብራህቲ፡ ሓጢኣት እያ።+ 5 ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ* ይመርሕ፣+ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።+ 6 ብሓሳዊት ልሳን መዛግብቲ ምእካብ፡ከም ዚበንን ግመ፡ ናብ ሞት ከም ዜብጽሕ መፈንጠራ እዩ።*+ 7 ፍትሒ ምግባር ይኣብዩ እዮም እሞ፡እኩያት ብዓመጻኦም ይዅስተሩ።+ 8 መገዲ በደለኛ ቔናን እያ፣ተግባር ንጹህ ሰብ ግና ቅኑዕ እዩ።+ 9 ካብ ምስ ነግራም* ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ኣብ ኵርናዕ ናሕሲ ምቕማጥ ይሓይሽ።+ 10 እኩይ ሰብ* ክፍኣት ይሃርፍ፣+ንብጻዩ ኸኣ ሞገስ ኣየርእዮን።+ 11 መላገጺ ምስ ተቐጽዐ፡ ዘይለበመ ይጠብብ፣ንጥበበኛ ልቦና ምስ ተዋህቦ ድማ፡ ፍልጠት ይረክብ።*+ 12 እቲ ጻድቕ* ንቤት እኩይ ይዕዘባ፣ንእኩያት ከኣ ናብ ጥፍኣት ይድርብዮም።+ 13 ኣውያት ትሑት ከይሰምዕ እዝኑ ዚደፍን፡ንሱ እውን ይጽውዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።+ 14 ብምስጢር እተዋህበ ህያብ፡ ቍጥዓ፡ብሕቡእ እተዋህበ ጉቦ* ድማ፡ ብርቱዕ ነድሪ የህድእ።+ 15 ንጻድቕሲ ፍትሒ ምግባር ሓጐሱ እዩ፣+ንገበርቲ እከይ ግና ኣዝዩ ሕማቕ እዩ። 16 እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዜልግስ፡ኣብ ኣኼባ እቶም ብሞት እተሰነፉ ይዓርፍ።+ 17 ጸወታ* ዚፈቱ ይደኪ፣+ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን። 18 እኩይ በጃ ጻድቕ እዩ፣ጠላም ድማ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ይኸውን።+ 19 ካብ ምስ ነግራምን* ተበሳጫዊትን ሰበይትስ፡ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሓይሽ።+ 20 ክቡር መዝገብን ዘይትን ኣብ ቤት ጥበበኛ ይርከብ፣+ዓሻ ሰብ ግና ዘለዎ ዘበለ ይዘሩ።*+ 21 ንጽድቅን ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕርን ዚስዕብ፡ህይወትን ጽድቅን ክብርን ይረክብ።+ 22 ጥበበኛ ናብ ከተማ ጀጋኑ ኺሓኵር፡*ንዚእመኑሉ ብርታዐ ድማ ኬፍርሶ ይኽእል።+ 23 ኣፉን ልሳኑን ዚሕሉ፡ንርእሱ* ኻብ ጭንቂ ይሕልዋ።+ 24 ግዲ ኸይገበረ ዚዳፈር፡ተዳፋርን ዕቡይን ተጃሃርን ይብሃል።+ 25 ኣእዳዉ ምዕያይ ይኣብያ እየን እሞ፡ንሃካይሲ ህርፋኑ ይቐትሎ።+ 26 ምሉእ መዓልቲ ብስስዐ ይሃርፍ፣ጻድቕ ግና ሓንቲ እኳ ኸይከልአ ይህብ።+ 27 መስዋእቲ እኩያት ፍንፉን እዩ።+ ብእኩይ ሃቐና* እንተ ኣቕሪብዎ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን! 28 ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፣+ዚሰምዕ ሰብ ግና፡ ብዓወት ይምስክር።* 29 እኩይ ይዳፈር፣+ቅኑዕ ግና መገዱ የረጋግጽ።+ 30 ንየሆዋ ዚጻረር ጥበብ ኰነ፡ ምስትውዓል ኰነ፡ ወይ ምኽሪ የልቦን።+ 31 ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ይዳሎ፣+ድሕነት ግና ናይ የሆዋ እዩ።+ 15 ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣+ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል።+ 2 ልሳን ጥበበኛታት ንፍልጠት ጽቡቕ ገይሩ ይጥቀመሉ፣+ኣፍ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይድርጕሕ። 3 ኣዒንቲ የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ እየን፣ንእኩያትን ንሰናያትን ይቋመታኦም።+ 4 ህድእቲ ልሳን* ኦም ህይወት እያ፣+ጠዋይ ዘረባ ግና ተስፋ የቕብጽ።* 5 ዓሻ፡ ተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቕ፣+ጐራሕ ግና መአረምታ* ይቕበል።+ 6 ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ ኣሎ፣ፍርያት* እኩያት ግና ጭንቂ የምጽእ።+ 7 ከናፍር ጥበበኛታት ፍልጠት ይዝርግሓ፣+ልቢ ዓያሹ ግና ከምኡ ኣይኰናን።+ 8 መስዋእቲ እኩያት ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣+ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።+ 9 የሆዋ ንመገዲ እኩይ ይፍንፍና፣+ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ።+ 10 መገዲ ንዚሓድግ፡ ተግሳጽ ሕማቕ* ይመስሎ፣+መግናሕቲ ዚጸልእ ድማ፡ ይመውት።+ 11 መቓብርን* ቦታ ጥፍኣትን* ኣብ ቅድሚ የሆዋ እዩ።+ ልቢ ሰባት ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኸምኡ ዘይከውን!+ 12 መላገጺ መአረምታ* ኣይፈቱን።+ ንጥበበኛ ድማ ኣየማኽርን።+ 13 ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፣ጓሂ ልቢ ግና መንፈስ ይሰብር።+ 14 ዚርዳእ ልቢ ፍልጠት ይደሊ፣+ኣፍ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይምገብ።*+ 15 ኵለን መዓልትታት ውጹዓት ክፉኣት እየን፣+ሕጉስ* ልቢ ዘለዎ ግና ብቐጻሊ ድግስ ኣለዎ።+ 16 ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ጭንቀትሲ፡*+ሒደት ምስ ፍርሃት የሆዋ ይሓይሽ።+ 17 ካብ ስቡሕ ብዕራይ* ምስ ጽልእስ፡+ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሓይሽ።+ 18 ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል፣+ንቝጥዓ ደንጓዪ ግና፡ ቈየቛ የህድእ።+ 19 ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾዅ እያ፣+መገዲ ቕኑዓት ግና ከም ጥጥሕቲ ጽርግያ እያ።+ 20 ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+ዓሻ ሰብ ግና ንኣዲኡ ይንዕቃ።+ 21 ልቢ ንዘይብሉ፡ ዕሽነት ሓጐስ እዩ፣+ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ።+ 22 ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል፣ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም።+ 23 ሰብ ብቕኑዕ ምላሽ* ይሕጐስ፣+ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል ድማ ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!+ 24 መገዲ ህይወት ንብዓል ልቦና ናብ ላዕሊ ትመርሖ፣+ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መቓብር* እውን ተርሕቖ።+ 25 የሆዋ ንቤት ዕቡያት የፍርሳ፣+ንዶብ መበለት ግና ይሕልዎ።+ 26 የሆዋ ንሓሳባት እኩይ ይፍንፍኖ፣+ባህ ዜብል ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።+ 27 ረብሓ ሸፈጥ ዚረክብ ኣብ ቤተ ሰቡ ጭንቂ* የምጽእ፣+ጉቦ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር።+ 28 ልቢ ጻድቕ ቅድሚ ምምላሱ የስተንትን፣*+ኣፍ እኩያት ግና ክፉእ ነገር ይድርጕሕ። 29 የሆዋ ኻብ እኩያት ርሑቕ እዩ፣ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ።+ 30 ብሩህ ኣዒንቲ* ንልቢ የሐጕሶ፣ጽቡቕ ወረ ኸኣ ንኣዕጽምቲ የደልድሎ።*+ 31 እቲ ህይወት ዚህብ መግናሕቲ ዚሰምዕ፡ኣብ መንጎ ጥበበኛታት ይነብር።+ 32 ተግሳጽ ዚኣቢ፡ ንህይወቱ* ይንዕቃ፣+መግናሕቲ ዚሰምዕ ግና፡ ልቢ የጥሪ።+ 33 ፍርሃት የሆዋ፡ ስልጠና ጥበብ እዩ፣+ቅድሚ ኽብሪ ድማ ትሕትና ኣላ።+ 22 ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፣*+ክብሪ* ኻብ ብሩርን ወርቅን ይሓይሽ። 2 ሃብታምን ድኻን ሓደ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፣*ንኽልቲኦም ዝገበሮም የሆዋ እዩ።+ 3 ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ* ይጕድኡ። 4 ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት የሆዋንሲ፡ሃብትን ክብርን ህይወትን* እዩ።+ 5 እሾዅን መጻወድያን ኣብ መገዲ ቔናን እዩ፣እቲ ንህይወቱ* ዜኽብራ ግና፡ ካብኡ ይርሕቕ።+ 6 ንቘልዓ* በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣+ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።+ 7 ሃብታም ንድኻታት ይገዝኦም፣ተለቃሒ ድማ ባርያ ኣለቃሒ እዩ።+ 8 ዓመጻ ዚዘርእ፡ ጥፍኣት ይዓጽድ፣+ሻቦጥ ነድሩ ኸኣ የብቅዕ።+ 9 ምግቡ ንድኻ የካፍሎ እዩ እሞ፡ለጋስ* ይባረኽ።+ 10 ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ባእሲ ኺጠፍእ፡ነገርን ጸርፍን ኬቋርጽ እዩ። 11 ንጹህ ልቢ ዚፈቱ እሞ ማራኺ ዝዘረባኡ፡ንጉስ ፈታዊኡ ይኸውን።+ 12 ኣዒንቲ የሆዋ፡ ፍልጠት ይሕልዋ፣ንቓላት ጠለምቲ ግና ይግልብጠን።+ 13 ሃካይ፡ “ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ!ኣብ ማእከል ኣደባባይ ክቕተል እየ!” ይብል።+ 14 ኣፍ ፋሉል* ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ።+ እቲ የሆዋ ዝዀነኖ ኣብኡ ይወድቕ። 15 ዕሽነት ኣብ ልቢ ቘልዓ* ተኣሲሩ ኣሎ፣+ሻቦጥ ተግሳጽ ግና ካብኡ የርሕቖ።+ 16 ሃብቱ ኺውስኽ ኢሉ ንድኻ ዚዕምጽን+ንሃብታም ህያባት ዚህብንኣብ ድኽነት ይወድቕ። 17 ልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኬቕልብሲ፡+እዝንኻ ኣድንን እሞ ቓላት ጥበበኛታት ስማዕ፣+ 18 ከመይሲ፡ ኵላተን ወትሩ ኣብ ከናፍርካ ምእንቲ ኪዀና፡+ኣብ ውሽጥኻ እንተ ኣንቢርካየን፡ ባህ ዜብል እዩ።+ 19 እምንቶኻ ኣብ የሆዋ ኪኸውንሲ፡ሎሚ ፍልጠት እህበካ ኣለኹ። 20 ምኽርን ፍልጠትን ከካፍለካ ኢለስድሮዶ ኣይጸሓፍኩልካን፧ 21 ናብቲ ዝለኣኸካ፡ ልክዕ ጸብጻብ ሒዝካ ምእንቲ ኽትምለስ፡ናይ ሓቅን ዜተኣማምንን ቃላት ክምህረካ ኢለስ ከምኡዶ ኣይገበርኩን፧ 22 ንድኻ፡ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትዝመቶ፣+ንትሑት ከኣ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ኣይትጨፍልቆ።+ 23 የሆዋስ ኪማጐተሎም እዩ፣+ህይወት እቶም ዝዓመጽዎም ከኣ ኬጥፍእ እዩ።* 24 ምስ ቍጡዕ ሰብ ኣይትሕበር፣ምስ ነዳሪ ድማ ኣይትቀራረብ። 25 መገድታቱ ኸይትምሃር፡ንርእስኻ* ኸኣ ከይተፈንጥራስ፡ ከምኡ ኣይትግበር።+ 26 ካብቶም ከም መግለጺ ስምምዕ ኢድ ዚጠቕዑ፡ካብቶም ንልቓሕ ዚውሓሱ ኣይትኹን።+ 27 እትኸፍሎ እንተ ዘይብልካ፡ዓራትካ ኻብ ትሕቴኻ ኺውሰድ እዩ! 28 ኣቦታትካ ዘንበርዎ፡ናይ ቀደም ምልክት ዶብ ኣይተግዕዝ።+ 29 ኣብ ዕዮኡ ኽኢላ ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ይቐውም፣+ኣብ ቅድሚ ተራ ሰባት ኣይቀውምን። 3 ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ፣ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ዅሉ ንጥፈት ገግዜኡ ኣለዎ፦ 2 ንምውላድ ግዜ ኣለዎ፡ ንሙማት ድማ ግዜ ኣለዎ፣ንምትካል ግዜ ኣለዎ፡ እተተኽለ ንምምሓው ከኣ ግዜ ኣለዎ፣ 3 ንምቕታል ግዜ ኣለዎ፡ ንምሕዋይ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ንምፍራስ ግዜ ኣለዎ፡ ንምህናጽ ከኣ ግዜ ኣለዎ፣ 4 ንምብካይ ግዜ ኣለዎ፡ ንምስሓቕ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ዋይዋይ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምስዕሳዕ* ከኣ ግዜ ኣለዎ፣ 5 ኣእማን ንምድርባይ ግዜ ኣለዎ፡ ኣእማን ንምእካብ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ንምሕቋፍ ግዜ ኣለዎ፡ ንዘይምትሕቝቛፍ ከኣ ግዜ ኣለዎ፣ 6 ንምድላይ ግዜ ኣለዎ፡ ከም ዝጠፍአ ጌርካ ተስፋ ንምቝራጽ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ንምእርናብ ግዜ ኣለዎ፡ ንምድርባይ ከኣ ግዜ ኣለዎ፣ 7 ንምቕዳድ ግዜ ኣለዎ፡+ ንምስፋይ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡+ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ፣+ 8 ንምፍቃር ግዜ ኣለዎ፡ ንምጽላእ ድማ ግዜ ኣለዎ፣+ንውግእ ግዜ ኣለዎ፡ ንሰላም ከኣ ግዜ ኣለዎ። 9 ዓያዪ ኻብ ኵሉ ጻዕርታቱ እንታይ ረብሓ ይረክብ፧+ 10 ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪዓይይዎ ዝሃቦም ዕዮ ረኣኹ። 11 ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ* ገበሮ።+ ንዘለኣለማውነት እኳ ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ፣ ሰብ ግና ነቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ኸቶ ምሉእ ብምሉእ ኣይኪፈልጦን እዩ። 12 ንዓታቶምሲ ብህይወት ከለዉ ኻብ ምሕጓስን ጽቡቕ ካብ ምግባርን ዚሓይሽ ነገር ከም ዘይብሎም ደምደምኩ፣+ 13 ኵሉ ሰብ እውን ይብላዕን ይስተን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ድማ ይተሓጐስ። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።+ 14 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ድማ ፈለጥኩ። ኣብኡስ ሓንቲ እኳ ኺውሰኽ፡ ካብኡ እውን ሓንቲ እኳ ኺንከ ኣይከኣልን እዩ። ሰባት ምእንቲ ኺፈርህዎስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከምኡ ገበሮ።+ 15 ዚኸውን ዘበለ፡ ድሮ ዝዀነ እዩ፣ ዚመጽእ ዘበለ እውን፡ ድሮ ዝነበረ እዩ፣+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና እተሳዕበ* እዩ ዚደሊ። 16 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እውን ረኣኹ፦ ኣብ ቦታ ፍትሕስ እከይ ኣሎ፣ ኣብ ቦታ ጽድቂ ኸኣ እከይ ኣሎ።+ 17 ስለዚ፡ ብልበይ፡ “ንዅሉ ንጥፈትን ንዅሉ ተግባርን ገግዜኡ ኣለዎ እሞ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንጻድቕን ንእኩይን ኪፈርዶም እዩ” በልኩ።+ 18 ብዛዕባ ደቂ ሰብ እውን፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዚፍትኖምን ከም እንስሳታት ምዃኖም ከም ዜርእዮምን፡ ብልበይ በልኩ፣ 19 ከመይሲ፡ ንደቂ ሰብ መወዳእታ ኣለዎም፡ ንእንስሳታት እውን መወዳእታ ኣለዎም፣ ኵላቶም ሕደ መወዳእታ ኣለዎም።+ ከምቲ እዚ ዚመውት፡ እቲ እውን ይመውት፣ ኵላቶም ሓደ መንፈስ ኣለዎም።+ ኵሉ ኸንቱ እዩ እሞ፡ ሰብ ካብ እንስሳ ኣይበልጽን እዩ። 20 ኵላቶም ናብ ሕደ ቦታ ይኸዱ።+ ኵላቶም ካብ ሓመድ ይመጹ፡+ ኵላቶም ድማ ናብ ሓመድ ይምለሱ።+ 21 መንፈስ ደቂ ሰብ ናብ ላዕሊ ዚድይብ እንተ ዀይኑ፡ መንፈስ እንስሳታት ከኣ ናብ ምድሪ ዚወርድ እንተ ዀይኑ መን ይፈልጥ፧+ 22 ንሰብሲ እዚ ጻማኡ* ስለ ዝዀነ፡ ብዕዮኡ ኻብ ምሕጓስ ዚሓይሽ ዋላ ሓንቲ ኻልእ ከም ዘይብሉ ረኣኹ።+ ንሱ ምስ ከደ እንታይ ከም ዚኸውን ኪርኢ ዜኽእሎስ መን ኣሎ፧+ 7 ካብ ጽቡቕ ዘይትስ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ፣*+ ካብ መዓልቲ ልደት ድማ መዓልቲ ሞት ይሓይሽ። 2 እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ፡ ህያዋን ከኣ ኣብ ልቦም ኬንብርዎ ኣለዎም እሞ፡ ናብ ቤት ድግስ ካብ ምኻድሲ፡ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሓይሽ።+ 3 ጓሂ ገጽሲ ንልቢ ዝሓሸ ይገብሮ እዩ እሞ፡+ ካብ ሰሓቕሲ ጭንቂ ይሓይሽ።+ 4 ልቢ ጥበበኛታት ኣብ ቤት ሓዘን እዩ፣ ልቢ ዓያሹ ግና ኣብ ቤት ሓጐስ* እዩ።+ 5 ደርፊ ዓያሹ ኻብ ምስማዕሲ፡ መግናሕቲ ጥበበኛ ምስማዕ ይሓይሽ።+ 6 ከምቲ ኣብቲ ትሕቲ ቝራዕ ዚነድድ እሾዅ ጣዕጣዕ ዚብልሲ፡ ሰሓቕ ዓሻ እውን ከምኡ እዩ፣+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ። 7 ጭቈና ግና ንጥበበኛ ኼጸልሎ ይኽእል፣ ጉቦ ድማ ልቢ የበላሹ።+ 8 ካብ መጀመርታ ነገርሲ መወዳእታኡ ይሓይሽ። ዕቡይ ዝመንፈሱ ኻብ ምዃንሲ ዕጉስ ምዃን ይሓይሽ።+ 9 ኵራ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዚሓድር እሞ፡*+ ንዅራ* ኣይትተሃወኽ።+ 10 “ስለምንታይ እየን ካብዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሕሻ፧” ኣይትበል፣ እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሓትቶ ዘለኻ።+ 11 ጥበብ ምስ ርስቲ ጽብቕቲ እያ፣ ነቶም ብርሃን መዓልቲ ዚርእዩ* ድማ፡ ጥቕሚ ኣለዋ። 12 ከመይሲ፡ ከምቲ ገንዘብ ዕቝባ ዚኸውን፡+ ጥበብ እውን ዕቝባ እያ፣+ ጥቕሚ ፍልጠት ግና እዚ እዩ፦ ጥበብ ንዋናኣ ብህይወት ተንብሮ።+ 13 ንግብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ርኣዮ፣ ነቲ ንሱ ዘቕነኖስ መን ኬቕንዖ ይኽእል፧+ 14 ብሰናይ መዓልቲ፡ ሰናይ ግበር፣+ ብመዓልቲ መከራ* ግና፡ ኣምላኽሲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚዀንዎ ነገር ርግጸኛታት ምእንቲ ኸይኰኑ* ኢሉ፡+ ነዝን ነትን ከም ዝገበሮ ሕሰብ።+ 15 ኣብቲ ኸንቱ ህይወተይ፡+ ኵሉ ነገር፡ ማለት ካብቲ ብጽድቁ ዚጠፍእ ጻድቕ+ ክሳዕ እቲ ኽፉእ ክነሱ ነዊሕ ዚነብር እኩይ ርእየ እየ።+ 16 እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፣+ ንርእስኻ እውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበራ።+ ስለምንታይ ርእስኻ እተጥፍእ፧+ 17 እምብዛ እኩይ ኣይትኹን፣ ዓሻ እውን ኣይትኹን።+ ስለምንታይ ቅድሚ ግዜኻ እትመውት፧+ 18 ሓደ መጠንቀቕታ ኸይፈኖኻ፡ ነቲ ሓደ እንተ ሓዝካ ይሓይሽ፣+ እቲ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ክልቲኡ ይሰምዕ እዩ። 19 ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ብርቱዓትሲ፡ ጥበብ ንጥበበኛ ተሐይሎ።+ 20 ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን።+ 21 ሰባት ዚብልዎ ዅሉ ቓል ኣብ ልብኻ ኣይተሕድር፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ ጊልያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኽትሰምዕ ኢኻ፣ 22 ንስኻ ባዕልኻ እውን ብዙሕ ሳዕ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።+ 23 ነዚ ዅሉ ብጥበብ ፈተንክዎ፣ “ጥበበኛ ክኸውን እየ” ድማ በልኩ። ንሳ ግና ልዕሊ ዓቕመይ እያ። 24 እቲ ዝዀነ ነገር፡ ልዕሊ ዓቕመይን ኣዝዩ ዓሚቝን እዩ። መንከ ኺርድኦ ይኽእል፧+ 25 ኣነ ድማ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥን ክምርምርን ክደልን ኢለ፡ ክፍኣት ድንቍርናን ዕሽነት ጽላለን እውን ክርዳእ ኢለ ልበይ ኣቕናዕኩ።+ 26 ሽዑ፡ እዚ ረኸብኩ፦ ካብ ሞትሲ እታ ኸም መርበብ ሃዳናይ ዝዀነት፡ ልባ ድማ ከምቲ ንምግፋፍ ዜገልግል መርበብ ዝዀነ፡ ኣእዳዋ ኸኣ ከም ሰንሰለት ማእሰርቲ ዝዀና ሰበይቲ ትመርር። እቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኻብኣ የምልጥ፣+ ሓጥእ ግና ብእኣ ይተሓዝ።+ 27 እቲ ኣካቢ+ ድማ፡ “እንሆ፡ እዚ ረኺበ” በለ። “ናብ መደምደምታ ኽበጽሕሲ፡ በብሓደ መርሚረ፣ 28 ነቲ ብቐጻሊ ዝደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን።* ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ* ረኺበ፣ ኣብ መንጎኦም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። 29 እዚ ጥራይ ከኣ ረኺበ፦ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ገበሮ፣+ ንሳቶም ግና ናይ ባዕሎም ብዙሕ ውጥናት ደለዩ።”+ 12 እምበኣር፡ መዓልትታት ጭንቂ ኸይመጻ፡+ “ባህ ኣይበላንን” እትብለለን ዓመታት ከኣ ከየርከባ፡ ብመዓልትታት ንእስነትካ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪኻ ዘክሮ፣+ 2 ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡+ ደበናታት ድማ ድሕሪ* ዝናም ከይተመልሰ፡ ከምኡ ግበር። 3 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓለውቲ ቤት ራዕራዕ ይብላ፣ ብርቱዓት ሰብኡት ይጕብጡ፣ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ምጥሓን የቋርጻ፣ ብመሳዅቲ ዚጥምታ ጠመትቲ እውን ይጽልምተን።+ 4 ሽዑ፡ ናብ ጐደና ዚመርሓ ኣፍ ደገታት ይዕጸዋ፣ ደሃይ መጥሓን ትሑት ይኸውን፣ ድምጺ ዑፍ የተንስኣካ፣ ኵለን ደረፍቲ ኣዋልድ እውን ይልሕትታ።+ 5 ሽዑ ኸኣ፡ ንበረኽቲ ትፈርህ፣ ኣብ መገዲ ድማ ሽበራ ይኸውን። ኦም ለውዚ ኸኣ ትዕምብብ፣+ ጐደበ ድማ ጐተት ይብል፣ ሸውሃት ዚኸፍት ፍረ ኸኣ ይነቅዕ።* ከመይሲ፡ ሰብ ናብ ነባሪ ቤቱ ይኸይድ፣+ መልቀስቲ ኸኣ ኣብ ጐደና ይዞሩ።+ 6 እወ፡ ገመድ ብሩር ከይተበትከ፡ ጭሔሎ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ዘሎ ዕትሮ ኸይተሰብረ፡ ካብ መዕቘር ማይ ንምግላል ዚኸውን መዘወር እውን ከይተጨፍለቐ፡ ንዕኡ ዘክሮ። 7 ሽዑ፡ ሓመድ ከምቲ ዝነበሮ ናብ መሬት ይምለስ፣+ መንፈስ* ድማ ናብቲ ወሃቢኡ ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይምለስ።+ 8 “ናይ ከንቱነታት ከንቱነት!” ይብል እቲ ኣካቢ።+ “ኵሉ ኸንቱ እዩ!”+ 9 እቲ ኣካቢ ኸኣ ጥበበኛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዚፈልጦ እውን ብቐጻሊ ንሰባት ይምህር ነበረ፣+ ብዙሕ ምስላታት ምእንቲ ኺእክብ* ድማ፡ ኣጸቢቑ ሓሰበን መርመረን።+ 10 እቲ ኣካቢ ኸኣ ደስ ዜብል ቃላት+ ኪረክብን ልክዕ ቃላት ሓቂ ኺምዝግብን ደለየ። 11 ቃላት ጥበበኛታት ከም መጕጠዪ ብዕራይ* እዩ፣+ እቲ እኩብ ብሂላቶም ድማ ብጽኑዕ ከም እተሰመረ መሳምር እዩ፣ ካብ ሓደ ጓሳ ኸኣ እተዋህበ እዩ። 12 ብዝተረፈስ፡ ወደየ፡ ተጠንቀቕ፦ ምጽሓፍ ብዙሕ መጻሕፍትስ መወዳእታ የብሉን፣ ነዚ ብዙሕ ውፉይ ምዃን ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ።+ 13 እዚ ዅሉ ምስ ተሰምዐ፡ መደምደምታ ነገር እዚ እዩ፦ ብዘሎ ግዴታ ሰብ እዚ እዩ እሞ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ፡+ ንትእዛዛቱ እውን ሓልዎ።+ 14 ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብሪ፡ እንተላይ ንዅሉ ሕቡእ ነገር፡ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ፡ ኪፈርዶ እዩ።+ 1 ቃላት እቲ ኣካቢ፡+ ወዲ ዳዊት፡ ንጉስ የሩሳሌም።+ 2 “ናይ ከንቱነታት ከንቱነት!” ይብል እቲ ኣካቢ፡“ናይ ከንቱነታት ከንቱነት! ኵሉ ኸንቱ እዩ!”+ 3 ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉዅሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረክብ፧+ 4 ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፣ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።*+ 5 ጸሓይ ትበርቕ፡* ጸሓይ ድማ ትዓርብ፣ተቐላጢፋ* እውን ናብቲ መሊሳ እትበርቀሉ ቦታ ትምለስ።+ 6 ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከኣ ይዘውር፣ኰሊሉ ዀሊሉ ብቐጻሊ ይዘውር፣ ንፋስ ኣዘውቲሩ ይዘውር። 7 ኵሉ ወሓይዝ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፣ ባሕሪ ግና ኣይመልእን።+ ከም ብሓድሽ ኪውሕዝሲ፡ ናብቲ ወሓይዝ ኪውሕዝ ዝጀመረሉ ቦታ ይምለስ።+ 8 ኵሉ ነገር ኣድካሚ እዩ፣ሰብ ብዛዕባኡ ኺዛረብ እኳ ኣይክእልን። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትዓግብን፣እዝኒ ድማ ብምስማዕ ኣይትመልእን። 9 እቲ ዝነበረ እዩ ዚመጽእ፣እቲ እተገብረ ኸኣ እዩ መሊሱ ዚግበር፣ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር የልቦን።+ 10 “እንሆ፡ እዚ ሓድሽ እዩ” ዚብሃል ነገር ኣሎዶ፧ ድሮ ኻብ ቀደም ዝነበረ እዩ፣ድሮ ቕድሚ ግዜና ዝነበረ እዩ። 11 ነቶም ቀዳሞት ሰባት ሓደ እኳ ኣይዝክሮምን፣ነቶም ደሓር ዝመጹ እውን ዚዝክሮም ኣይኪህሉን እዩ፣ንሳቶም እውን በቶም ገና ብድሕሪኡ ዚመጹ ኣይኪዝከሩን እዮም።+ 12 ኣነ ኣካቢ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ነበርኩ።+ 13 ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንእተገብረ ዅሉ፡—ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪጽዕሩሉ ዝሃቦም ሕማቕ ዕዮ፡—ብጥበብ+ ከጽንዕን ክምርምርን ልበይ ኣንቀድኩ።+ 14 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እተገብረ ዅሉ ዕዮ ረኣኹ፣እንሆ ኸኣ፡ ኵሉ ኸንቱ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ።+ 15 ቄናን ኪቃናዕ ኣይከኣልን፣ዝጐደለ እውን ኪቝጸር ኣይከኣልን። 16 ኣነ ኸኣ ብልበይ፡ “እንሆ፡ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ፡ ዓብዪ ጥበብ ኣጥርየ፣+ ልበይ ድማ ዓብዪ ጥበብን ፍልጠትን ረኺቡ” በልኩ።+ 17 ልበይ ከኣ ጥበብ ናብ ምፍላጥን ጽላለ* ናብ ምፍላጥን ዕሽነት ናብ ምፍላጥን ከም ዜቕልብ ገበርክዎ፣+ እዚ እውን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ። 18 ብዝሒ ጥበብሲ፡ ብዝሒ ብስጭት እዩ ዜምጽእ፣ስለዚ፡ ፍልጠት ዚውስኽ፡ ስቓይ እዩ ዚውስኽ።+ 8 ከም ጥበበኛ ዝዀነ መን እዩ፧ ፍታሕ ሽግር* ዚፈልጥከ መን እዩ፧ ጥበብ ሰብ ንገጹ ተብርሆ፣ ነቲ ጸዋግ ትርኢቱ እውን ተፈሽሕዎ። 2 ኣነስ እዚ እብል ኣለኹ፦ “ስለቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝመሓልካዮ ማሕላ ኢልካ፡+ ትእዛዛት ንጉስ ሓሉ።+ 3 ካብ ቅድሚኡ ኽትከይድ ኣይትተሃወኽ።+ ኣብ ክፉእ ነገር ኣይትቑም፣+ ንሱስ ባህ ዝበሎ ኺገብር ይኽእል እዩ፣ 4 ቃል ንጉስሲ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ እዩ፣+ ‘እንታይ ትገብር ኣለኻ፧’ ኪብሎ ዚኽእል መን እዩ፧” 5 ትእዛዝ ዚሕሉ፡ ጕድኣት ኣይረኽቦን፣+ ጥበበኛ ዝልቡ ኸኣ፡ ግቡእ ግዜን ስርዓትን* ይፈልጥ።+ 6 ሽግራት ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ገግዜኡን ሰስርዓቱን* ኣለዎ።+ 7 እንታይ ከም ዚኸውን ዚፈልጥ ስለ ዘየልቦ፡ ከመይ ከም ዚኸውን መን ኪነግሮ ይኽእል፧ 8 ከምቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ መንፈስ* ሓይሊ ዘይብሉ ወይ ንመንፈስ ኪገትኦ ዘይክእል፡ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞት ሓይሊ ዘለዎ እውን የልቦን።+ ከምቲ ብግዜ ውግእ ሓደ እኳ ዘይሰናበት፡ እከይ እውን ንገበርቱ፡ ኬምልጡ ኣይፈቕደሎምን እዩ።* 9 እዚ ዅሉ ረኣኹ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኵሉ ግብሪ፡ ናብቲ ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ ኸኣ ልበይ ኣቕለብኩ።+ 10 እቶም ናብታ ቕድስቲ ቦታ ዚኣትዉን ካብኣ ዚወጹን ዝነበሩ እኩያት ኪቕበሩ ኸለዉ ረኣኹ፣ ኣብታ ኸምኡ ዚገብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ግና ነዊሕ ከይጸንሑ ተረስዑ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ። 11 ኣብ ልዕሊ ኽፉእ ተግባር እተፈርደ ፍርዲ ቐልጢፉ ምስ ዘይፍጸም፡+ ልቢ ሰብ ክፉእ ንምግባር ይደፍር እዩ።+ 12 ሓጥእ ሚእቲ ሳዕ እኳ ኽፉእ እንተ ገበረ፡ ነዊሕ ግዜ እውን እንተ ነበረ፡ ነቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈርሁስ፡ ስለ ዚፈርህዎ፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም እፈልጥ እየ።+ 13 ንእኩይ ግና፡ ንኣምላኽ ስለ ዘይፈርሆ፡ ጽቡቕ ኣይኰነሉን እዩ፣+ ነተን ከም ጽላሎት ዝዀና መዓልትታቱ እውን ኣየንውሕን እዩ።+ 14 ኣብ ምድሪ ዚግበር ከንቱ* ነገር ኣሎ፦ እከይ ከም ዝገበሩ ጌርካ ዚትሓዙ ጻድቃን ኣለዉ፣+ ጽድቂ ኸም ዝገበሩ ጌርካ ዚትሓዙ እኩያት እውን ኣለዉ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ እብል ኣለኹ። 15 ንሰብሲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዚሓይሽ ስለ ዘይብሉ፡ ታሕጓስ ጽቡቕ ምዃኑ መኸርኩ፣+ በተን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሃቦ መዓልትታት ህይወቱ ኺጽዕር ከሎ፡ እዚ የሰንዮ።+ 16 ጥበብ ናብ ምጥራይን ኣብ ምድሪ ዚኸውን ዘሎ ዅሉ ተግባር* ናብ ምርኣይን ልበይ ኣቕለብኩ፣+ መዓልትን ለይትን እኳ ኣይደቀስኩን።* 17 ኵሉ ግብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ረኣኹ፣ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን ኪርድኦ ኸም ዘይክእል ከኣ ተገንዘብኩ።+ ሰባት ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም። ኪፈልጡ ዜኽእሎም ጥበብ ኣሎና እኳ እንተ በሉ፡ ከም ሓቂ ግና ኺርድእዎ ኣይክእሉን እዮም።+ 11 ንእንጌራኻ ናብ ማያት ደርብዮ፣*+ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታትሲ መሊስካ ኽትረኽቦ ኢኻ።+ 2 ኣብ ምድሪ ኸመይ ዝበለ መዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ንሸውዓተ፡ አረ ንሸሞንተ እውን ካብ ግደኻ ሃብ።+ 3 ደበና ሰርቢ እንተ መልአ፡ ናብ ምድሪ የዝንሞ፣ ኦም ናብ ደቡብ ወይስ ናብ ሰሜን እንተ ወደቐት፡ እታ ኦም ኣብታ ዝወደቐትላ ቦታ በጥ ትብል። 4 ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፣ ንደበና ዚርኢ ኸኣ ኣይዓጽድን።+ 5 ከምቲ መንፈስ ኣብ ኣዕጽምቲ እቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ዘሎ ሕጻን* ከመይ ከም ዚዓዪ ዘይትፈልጥ፡+ ከምኡ ድማ ንግብሪ እቲ ዅሉ ዚገብር ናይ ሓቂ ኣምላኽ እውን ኣይትፈልጦን ኢኻ።+ 6 ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ኢድካ ኣይተዕርፍ፣+ ከመይሲ፡ ኣየናዩ ኸም ዚሰልጥ፡ እዚ ወይስ እቲ፡ ወይ ክልቲኡ ጽቡቕ እንተ ዀነ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ። 7 ብርሃን ጥዑም እዩ፣ ጸሓይ ምርኣይ ከኣ ንኣዒንቲ ጽቡቕ እዩ። 8 ሰብሲ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ፡ ብዅላተን ይተሓጐስ።+ መዓልትታት ጸልማት ኪበዝሓ ኸም ዚኽእላ ግና ይዘክር፣ ኵሉ እቲ ዚመጽእ፡ ከንቱነት እዩ።+ 9 ኣታ ጐበዝ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፣ ብመዓልትታት ንእስነትካ ድማ ልብኻ ይተሓጐስ። መገድታት ልብኻ ስዓብ፣ ኣዒንትኻ ናብ ዝመርሓኻ እውን ኪድ። ግናኸ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ናብ ፍርዲ ኸም ዜምጽኣካ* ፍለጥ።+ 10 ንእስነትን ብጽሕነትን ከንቱነት እዩ እሞ፡ ስለዚ፡ ኣብ ጸገም ዜእቱ ነገር ካብ ልብኻ፡ ጐዳኢ ነገር ድማ ካብ ሰብነትካ* ኣወግድ።+ 2 ኣነ ኸኣ ንገዛእ ርእሰይ ብልበይ፡ “ንዓ ተድላ* ፈትን፡ ጽቡቕ ድማ ርአ” በልኩ። እንሆ ግና፡ እዚ እውን ከንቱነት እዩ። 2 ብዛዕባ ሰሓቕ፡ “ጽላለ እዩ!” ብዛዕባ ተድላ* ኸኣ፡ “እንታይ ይጠቅም፧” በልኩ። 3 ጥበበይ ከየጥፍእ እናሓሎኹስ፡ ወይኒ እናጸገብኩ ብልበይ መርመርኩ፣+ ደቂ ሰብ ኣብቲ ሒደት መዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማያት እንታይ ከም ዚሕሾም ክፈልጥሲ፡ ንዕሽነት እኳ ተቐበልክዋ። 4 ዓበይቲ ዕዮታት ገበርኩ።+ ኣባይቲ ንዓይ ሃነጽኩ፣+ ኣታኽልቲ ወይኒ ንዓይ ተኸልኩ።+ 5 ስፍራታት ኣታኽልትን መናፈሻታትን ንዓይ ገበርኩ፣ ኣብኡ ድማ በብዓይነቱ ፍረታት ዚፈሪ ኣእዋም ተኸልኩ። 6 ንዚልምልም ፈራዪ ኣእዋም* ብመስኖ ንምስታይ ከኣ፡ ንዓይ ሓጽብታት ማይ ገበርኩ። 7 ገላዉን ኣግራድን ኣጥረኹ፣+ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ገላዉ* ድማ ነበሩኒ። ካብቲ ናይቶም ቅድመይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዚበዝሓ ብዙሓት ማል፡ ማለት ከብትን መጓሰን፡ ነበራኒ።+ 8 ብሩርን ወርቅን፡ መዛግብቲ* ነገስታትን ኣውራጃታትን ደለብኩ።+ ዚደርፉን ዚደርፋን፡ ብተወሳኺ እውን ንደቂ ሰብ ዓብዪ ተድላ ዜምጽእ፡—ማለት ሰበይቲ፡ አረ ብዙሓት ኣንስቲ፡*—ንዓይ ኣከብኩ። 9 በዚ ኸምዚ ዓብዪ ዀንኩ፣ ካብ ኵሎም እቶም ቅድመይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኸኣ በለጽኩ።+ ጥበበይ እውን ምሳይ ነበረት። 10 እተመነኽዎ* ዘበለ ንርእሰይ ኣይከልከልክዋን።+ ልበይ ብዅሉ እቲ ጻዕረይ ይሕጐስ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ድማ ጻማ* ዅሉ ጻዕረይ ብምንባሩ፡ ንልበይ ኵሉ ዓይነት ተድላ* ኣይከላእክዎን።+ 11 ግናኸ፡ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ ኽዓምሞ ዝጸዓርክዎ ዅሉ ጻዕርን ምስ ሓሰብኩሉ፡+ ኵሉ ኸንቱ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ ምዃኑ ረኣኹ፣+ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ* የልቦን።+ 12 ድሕርዚ፡ ናብ ጥበብን ጽላለን ዕሽነትን ኣተኰርኩ።+ (ድሕሪ ንጉስ ዚመጽእ ሰብሲ እንታይ ኪገብር እዩ፧ እቲ ድሮ እተገብረ ጥራይ እዩ።) 13 ከምቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ዚበልጽ፡ ጥበብ ካብ ዕሽነት ከም እትበልጽ ድማ ረኣኹ።+ 14 ጥበበኛ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ፣*+ ዓሻ ግና ብጸልማት እዩ ዚመላለስ።+ ንዅሎም ዚበጽሖም መወዳእታ፡ ሓደ ምዃኑ እውን ተገንዘብኩ።+ 15 ሽዑ፡ ብልበይ፡ “እቲ ንዓሻ ዚበጽሖስ፡ ንዓይ እውን ኪበጽሓኒ እዩ” በልኩ።+ እምብዛ ጥበበኛ ብምዃነይ ደኣ እንታይ ረባሕኩ፧ ብልበይ ድማ፡ “እዚ እውን ከንቱነት እዩ” በልኩ። 16 ጥበበኛ ዀነ ዓሻስ ነባሪ መዘከርታ የብሎምን።+ ኣብተን ዚመጻ መዓልትታት፡ ኵሉ ይርሳዕ እዩ። ጥበበኛኸ ኸመይ ኢሉ እዩ ዚመውት፧ ከምቲ ዓሻ።+ 17 ኵሉ ኸንቱ፡+ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ እሞ፡+ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ዅሉ ጭንቂ ስለ ዝመሰለኒ፡ ንህይወት ጸላእክዋ።+ 18 ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሓድገሉ እየ እሞ፡+ ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓርክዎ ጻዕረይ ጸላእክዎ።+ 19 ንሱኸ ጥበበኛ ወይስ ዓሻ ኪኸውን ምዃኑ መን ይፈልጥ፧+ ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከጥርዮ ኢለ ብዙሕ ዝጸዓርኩሉን እተጣበብኩሉን ነገራት ኪቈጻጸሮ እዩ። እዚ እውን ከንቱነት እዩ። 20 ስለዚ፡ ብዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓርኩሉ ጻዕሪ ተስፋ ክቐብጽ ጀመርኩ። 21 ሰብሲ ብጥበብን ብፍልጠትን ብኽእለትን እናተመርሐ ኺጽዕር ይኽእል እዩ፣ ግናኸ፡ ግዲኡ* ንዘይጸዓረሉ ሰብ እዩ ኣሕሊፉ ዚህብ።+ እዚ እውን ከንቱነትን ኣመና ዜሕዝንን* እዩ። 22 ሰብሲ ኻብ ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉን ዝሃረፎን* ጻዕሪ እንታይ እሞ እዩ ዚረብሕ፧+ 23 ኣብ ኵለን እተን መዓልትታቱስ፡ ዕዮኡ ስቓይን ብስጭትን እዩ ዜምጽኣሉ፣+ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዓርፍን እዩ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ። 24 ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ብጻዕሩ ኻብ ምሕጓስን* ዚሓይሽ ሓንቲ እኳ የብሉን።+ እዚ እውን ካብ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ተገንዘብኩ።+ 25 ካባይ ዚሓይሽ ዝበልዐን ዝሰተየንሲ መን እዩ፧+ 26 ንሱስ ባህ ንዜብሎ ሰብ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፣+ ንሓጥእ ግና ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ባህ ዜብሎ ሰብ ኺህቦ ኢሉ ኺእክብን ኪድልብን ጥራይ ዕዮ ይህቦ።+ እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ። 4 ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ጭቈና ኣተኰርኩ። ንብዓት እቶም ጭቁናት ድማ ረኣኹ፣ ዜጸናንዖም እውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ እቶም ጨቈንቶም ከኣ ሓይሊ ነበሮም፣ ዜጸናንዖም እውን ሓደ እኳ ኣይነበረን። 2 ካብቶም ገና ብህይወት ዘለዉ ህያዋንሲ፡ ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምዉታት እንቋዕ ሓጐሰኩም በልክዎም።+ 3 ካብ ክልቲኦም ከኣ እቲ ገና ዘይተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዜጨንቕ ተግባራት እውን ዘይረኣየ ይሓይሽ።+ 4 ኣብ መንጎ ሰባት ካብ ዚህሉ ውድድር ድማ፡ ክንደይ ጻዕርን ብኽእለት ዚዕየ ዕዮን ከም ዚልዓል ረኣኹ፣+ እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ። 5 ዓሻስ ስጋኡ እናማህመነ ኸሎ፡ ኣእዳዉ የጣምር።*+ 6 ካብ ምሉእ ሕፍኒ* ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ።+ 7 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ናብ ዘሎ ኻልእ ኣብነት ከንቱነት ድማ ኣትኵሮይ መለስኩ፦ 8 በይኑ ዝዀነ፡ ብጻይ እውን ዘይብሉ ሰብ ኣሎ፣ ውሉድ ወይ ሓው የብሉን፣ ንዅሉ ጻዕሩ ግና መወዳእታ የብሉን። ኣዒንቱ ድማ ሃብቲ ኣይጸግባን።+ ኰይኑ ግና፡ ‘ንመን እየ ዝጽዕርን ንርእሰይ* ጽቡቕ ነገር ዝሕርማን ዘለኹ፧’ ኢሉዶ ይሓትት እዩ፧+ እዚ እውን ከንቱነትን ኣዝዩ ሕማቕ ዕዮን እዩ።+ 9 ካብ ጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ* ስለ ዚረኽቡ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ።+ 10 ሓዲኦም እንተ ወደቐስ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ። እቲ ዜተንስኦ ዘይብሉ ምስ ዚወድቕ ግና እንታይ እዩ ዚኸውን፧ 11 ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፡ ይሞቑ፣ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፧ 12 ሓደ በይኑ ዝዀነ ብኻልእ ኪስነፍ ይኽእል እዩ፣ ክልተ ብሓባር ግና ይቃወምዎ። ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ድማ ቀልጢፉ* ኣይብተኽን። 13 መጠንቀቕታ ምስማዕ ካብ ዘይፈልጥ+ ኣረጊትን ዓሻን ንጉስሲ፡ ድኻን ጥበበኛን ቈልዓ ይሓይሽ።+ 14 ንሱስ ኣብቲ ናይቲ ሓደ መንግስቲ ድኻ ዀይኑ እኳ እንተ ተወልደ፡+ ንጉስ ኪኸውን እዩ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ።+ 15 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ንዚመላለሱ ዅሎም ህያዋን ረኣኽዎም፣ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ክንዲ ኻልእ ዚቐውም ንእሽቶ ወራሲ ረኣኽዎ። 16 ኵሎም እቶም ደገፍቱ መወዳእታ ዘይብሎም እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ደሓር ዚመጹ ብእኡ ኣይሕጐሱን።+ እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ። 6 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ልሙድ ዝዀነ ኻልእ ዜሕዝን ነገር* ኣሎ፦ 2 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንሰብ፡ ካብቲ ዚምነዮ ሓንቲ እኳ ኸይጐድሎ፡* ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፣ ግናኸ፡ ካልእ ብእኡ ዚሕጐስ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንዕኡ ብእኡ ኣየሐጕሶን። እዚ ኸኣ ከንቱነትን ከቢድ ወጽዓን እዩ። 3 ሰብ ሚእቲ ሳዕ እኳ እንተ ወለደ፡ ብዙሕ ዓመታት ድማ እንተ ነበረ፡ ዕድሚኡ ኸኣ እንተ ነውሐ፡ ናብ መቓብር ቅድሚ ምብጻሑ ግና በቲ ጽቡቕ ነገራቱ ዘይሕጐስ እንተ ዀነ፡* ካብኡስ ቍላዕ ይሓይሽ እብል ኣለኹ።+ 4 እዝስ ብኸንቱ መጺኡ፡ ብጸልማት ድማ ከይዱ፡ ስሙ እውን ብጸልማት ተኸዊሉ እዩ። 5 ጸሓይ እኳ ኸቶ እንተ ዘይረኣየ፡ ዋላ ሓንቲ እውን እንተ ዘይፈለጠ፡ ካብቲ ቐዳማይሲ ንሱ ይሓይሽ።*+ 6 ከይተሓጐስካ ኽልተ ሳዕ ሸሽሕ ዓመት ብህይወት ምንባርሲ እንታይ ይጠቅም፧ ኵሎም ናብ ሓደ ቦታ ደይኰኑን ዚኸዱ፧+ 7 ኵሉ ጻዕሪ ሰብ፡ ኣፉ ንምምላእ እዩ፣+ ግናኸ፡ ሸውሃቱ ኸቶ ኣይጸግብን።* 8 ጥበበኛስ ካብ ዓሻ እንታይ ብልጫ ኣለዎ፧+ ድኻ ኸመይ ገይሩ ብህይወት ከም ዚነብር* ምፍላጡኸ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ 9 ብትምኒት ካብ ምቕብዝባዝሲ፡* ኣዒንቲ ብዝርእያኦ ምሕጓስ ይሓይሽ። እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ። 10 እቲ ዝዀነ ዘበለ፡ ድሮ ተሰምዩ እዩ፣ እንታይነት ሰብ እውን ፍሉጥ እዩ፣ ምስቲ ኻብኡ ዚሕይል ድማ ኪብኣስ* ኣይክእልን እዩ። 11 ቃላት* ምስ ዚበዝሕ፡ ከንቱነት ይበዝሕ፣ ንሰብከ እንታይ ጥቕሚ የምጽኣሉ፧ 12 ንሰብሲ ኣብተን ከም ጽላሎት ዜሕልፈን ሒደት መዓልትታት እታ ኸንቱ ህይወቱ እንታይ ኪገብር ከም ዚሕሾ መን ይፈልጥ፧+ ንሰብሲ ንሱ ምስ ከደ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እንታይ ከም ዚኸውን መን ኪነግሮ ይኽእል፧ 10 ከምቲ ምዉት ጽንጽያ ንቕብኢ ገባር ሽቱ ዜጭንዎን ዜዕፍሮን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ድማ ንጥበብን ንኽብርን ይዕብልሎ።+ 2 ንጥበበኛስ ልቡ ብቕኑዕ መገዲ ይመርሖ፣* ንዓሻ ግና ልቡ ብግጉይ መገዲ ይመርሖ።*+ 3 ዓሻ ብዝዀነ ይኹን መገዲ እኳ እንተ ተመላለሰ፡ ልቢ የብሉን፣+ ዓሻ ምዃኑ ድማ ንዅሉ የፍልጥ።+ 4 ቍጥዓ* ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ነዲዱ፡ ህድኣት ንዓብዪ ሓጢኣት ተህድእ እያ እሞ፡+ ቦታኻ ኣይትሕደግ።+ 5 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ ዜጨንቕ ነገር፡ በቶም ስልጣን ዘለዎም ዚግበር ጌጋ ኣሎ፦+ 6 ዕሽነት ኣብ ሓያሎ ልዑል ቦታታት ተቐሚጡ ኣሎ፣ ሃብታማት* ግና ኣብ ትሑት ቦታታት ይነብሩ። 7 ገላዉ ብኣፍራስ፡ መሳፍንቲ ግና ከም ገላዉ ብእግሮም ኪኸዱ ኸለዉ ረኣኹ።+ 8 ጕድጓድ ዚዅዕት፡ ኣብኣ ይወድቕ፣+ መንደቕ ዜፍርስ ከኣ፡ ተመን ይነኽሶ። 9 ኣእማን ዚፍንቅል፡ ብእኡ ይጕዳእ፣ ዕንጨይቲ ዚፍልጽ ድማ፡ ብእኡ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ።* 10 ንዋት ሓጺን እንተ ጐዲሙ እሞ ንብልሑ እንተ ዘይስሒልካዮ፡ ብዙሕ ሓይሊ ኸተውጽእ ኢኻ። ጥበብ ግና ኣሳልጦ ንምርካብ ትሕግዝ። 11 ተመን ከይተዓዘመ ኸሎ እንተ ነኸሰ፡ ክኢላ ዓዛሚ* ጥቕሚ የብሉን። 12 ቃላት ኣፍ ጥበበኛ ሞገስ የምጽእ፣+ ንዓሻ ግና ከናፍሩ የጥፍኦ።+ 13 ካብ ኣፉ ዚወጽእ ናይ መጀመርታ ቓላት፡ ዕሽነት እዩ፣+ ናይ መወዳእታ ቓላቱ ድማ፡ ዜጥፍእ ጽላለ እዩ። 14 ግናኸ፡ ዓሻ ብዙሕ ይዛረብ።+ ሰብሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣይፈልጥን እዩ፣ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዚመጽእ ደኣ መን ኪነግሮ ይኽእል፧+ 15 ዓሻስ ናብ ከተማ ንምኻድ ከመይ ገይሩ መገዱ ኸም ዚረክብ እኳ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ጻዕሩ የድክሞ። 16 ቈልዓ ዝንጉሳ፡ ኣንጊሆም ብብዝሒ ዚበልዑ ዝመሳፍንታ ምድሪ፡ ክንደይ ኰን መከረኛ እያ!+ 17 ወዲ ልዑላን ዝንጉሳ፡ ንስኽራን ዘይኰነስ፡ ንብርታዐ ኪዀኖም ብግቡእ ግዜ ዚበልዑ ዝመሳፍንታ ምድሪ፡ ክንደይ ኰን ሕጕስቲ እያ!+ 18 ብሰሪ ብዙሕ ትህኪት፡ ኣግማል ናሕሲ ይዘጥጥ፣ ብሰሪ ህኩያት ኣእዳው፡ ቤት ተልሕዅ።+ 19 እንጌራ ንሰሓቕ ይግበር፣ ወይኒ ድማ ንህይወት እተሐጕስ ይገብራ፣+ ገንዘብ ከኣ ዜድሊ ዘበለ ዅሉ የማልእ።+ 20 ዑፍ* ንድምጽኻ* ኸተመሓላልፎ፡ ኣኽናፍ ዘለዋ ፍጥርቲ ድማ ዝበልካዮ ኽትደግም ትኽእል እያ እሞ፡ ብሓሳብካ* እኳ ንንጉስ ኣይትርገሞ፣+ ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ድማ ንሃብታም ኣይትርገሞ። 9 ስለዚ፡ ነዚ ዅሉ ኣብ ልበይ ኣሕደርክዎ፣ ጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስ ግብርታቶም ኣብ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኖም ደምደምኩ።+ ሰባትሲ ነቲ ቕድሚኦም ዝዀነ ፍቕርን ጽልእን ኣይፈልጥዎን እዮም። 2 ኵሎም፡ ማለት ጻድቕን እኩይን፡+ ሕያዋይን ንጹህን ርኹስን፡ ዚስውኡን ዘይስውኡን፡ ሕደ መወዳእታ እዩ ዘለዎም።+ ሕያዋይ ከምቲ ሓጥእ እዩ፣ እቲ ማሕላ ዚምሕል፡ ከምቲ ማሕላ ኸይምሕል ዚጥንቀቕ እዩ። 3 እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚኸውን ዜጨንቕ ነገር እዩ፦ ኵሎም ሕደ መወዳእታ ስለ ዘለዎም፡+ ልቢ ደቂ ሰብ እውን ክፍኣት መሊኡ እዩ፣ ብህይወቶም ከለዉ ኸኣ፡ ኣብ ልቦም ጽላለ ኣሎ፣ ድሕርዚ ድማ ይሞቱ!* 4 ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሓይሽ እሞ፡ ኣብ መንጎ ህያዋን ንዘሎ ዘበለ ተስፋ ኣለዎ።+ 5 ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣+ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም፣+ ኵሉ መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ዓስቢ የብሎምን።+ 6 ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኦምን እውን ድሮ ጠፊኡ እዩ፣ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ነገር እውን ደጊም ግደ የብሎምን።+ 7 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብግብርታትካ ድሮ ባህ ኢልዎ እዩ እሞ፡+ ኪድ ምግብኻ ተሓጒስካ ብላዕ፡ ወይንኻ እውን ብሕጉስ ልቢ ስተ።+ 8 ክዳውንትኻ ወትሩ ጻዕዳ ይኹን፣* ንርእስኻ ዘይቲ ምልካይ ድማ ኣይትሕደግ።+ 9 እዝስ ኣብ ህይወትን ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓርካሉ ጻዕርን ዕጫኻ* እዩ እሞ፡+ ብዅለን መዓልትታት እታ ንሱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሃበካ ኸንቱ ህይወትካ፡ ብዅለን መዓልትታት ከንቱነትካ፡ ምስታ ፍቕርቲ ሰበይትኻ ብህይወት ተሓጐስ።+ 10 ኣብቲ እትኸዶ መቓብርሲ* ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ፡ ብዅሉ ሓይልኻ ግበሮ።+ 11 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ፡ ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ ኸም ዘይዕወቱ፡ ሓያላት ድማ ኣብ ውግእ ወትሩ ኸም ዘይስዕሩ፡+ ጥበበኛታት ከኣ ምግቢ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ፡ ኣስተውዓልቲ ድማ ሃብቲ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ፡+ ፈላጣት እውን ኣሳልጦ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ ረኣኹ፣+ ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን* የጓንፎም። 12 ሰብሲ ንግዜኡ ኣይፈልጣን እዩ።+ ከምቲ ዓሳ ብኽፉእ መርበብ ዚተሓዝ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ብመጻወድያ ዚትሓዛ፡ ከምኡ ድማ ደቂ ሰብ በቲ ብሃንደበት ዜጓንፎም ግዜ መዓት ይፍንጠሩ። 13 ብዛዕባ እታ ዝመሰጠትኒ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዘላ ጥበብ እውን እዚ ተዓዘብኩ፦ 14 ሒደት ዝህዝባ ንእሽቶ ኸተማ ነበረት፣ ሓያል ንጉስ ድማ መጺኡ ኸበባ፣ ዓብዪ መኽበቢ ኸኣ ሰርሓላ። 15 ኣብኣ ድማ ጥበበኛ ዝዀነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፣ ንሱ ኸኣ ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና። ነቲ ድኻ ሰብኣይ ግና ሓደ እኳ ኣይዘከሮን።+ 16 ኣነ ድማ፡ ‘ካብ ሓይልስ ጥበብ ትሓይሽ፣+ ጥበብ እቲ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፣ ቃላቱ እውን ኣይስማዕን እዩ’+ በልኩ። 17 ካብ ጭድርታ እቲ ኣብ መንጎ ዓያሹ ዚገዝእሲ፡ ህዱእ ቃላት ጥበበኛታት ምስማዕ ይሓይሽ። 18 ጥበብ ካብ ኣጽዋር ውግእ ትሓይሽ፣ ሓደ ሓጥእ ግና ብዙሕ ሰናይ ኬጥፍእ ይኽእል።+ 5 ናብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክትከይድ ከለኻ፡ ስጕምትኻ ሓሉ፣+ ዓያሹስ እቲ ዚገብርዎ ኽፉእ ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ዚገብርዎ ጌርካ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብሲ፡+ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሓይሽ።+ 2 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ኣብ ሰማያት እዩ፡ ንስኻ ግና ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትቐልጥፍ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ተሃዊኽካ ኣይትዛረብ።+ ስለዚ፡ ቃላትካ ሒደት ይኹን።+ 3 ሕልምስ ብዛዕባ ዕዮ እምብዛ ኻብ ምሕሳብ* እዩ ዚመጽእ፣+ ዓጀውጀው ዓሻ ድማ ካብ ብዝሒ ቓላት እዩ ዚመጽእ።+ 4 ኣምላኽ ብዓያሹ ባህ ኣይብሎን እዩ እሞ፡+ ንዕኡ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።+ ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ።+ 5 ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሓይሽ።+ 6 ኣፍካ ኼሕጥኣካ* ኣይትፍቀድ፣+ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ* ከኣ፡ ‘ጌጋ እዩ ነይሩ’ ኣይትበል።+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንግብሪ ኣእዳውካ ኼጥፍኦስ፡ ስለምንታይ በቲ እትብሎ ጌርካ እተቘጥዖ፧+ 7 ከምቲ ብዛዕባ ዕዮ እምብዛ ምሕሳብ ናብ ሕልሚ ዚመርሕ፡+ ምብዛሕ ቃላት እውን ናብ ከንቱነት እዩ ዚመርሕ። ግናኸ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ።+ 8 ኣብ ኣውራጃኻ ጭቈና ድኻ ዀነ ጥሕሰት ፍትሕን ጽድቅን እንተ ርኢኻ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ኣይትገረም።+ እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣንሲ፡ ካብኡ ብዚልዕል ይጥመት እዩ፣ ገና ኻባታቶም ዝለዓሉ እውን ካልኦት ኣለዉ። 9 ረብሓ እታ ምድሪ ኸኣ ኣብ መንጎ ዅሎም ይምቀል እዩ፣ ንጉስ እኳ ኻብ ግራት ይጥቀም እዩ።+ 10 ፈታው ብሩርሲ ብብሩር፡ ፈታው ሃብቲ ድማ ብኣታዊ ኸቶ ኣይጸግብን እዩ።+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ።+ 11 ጽቡቕ ነገር እንተ በዝሐ፡ በላዕቱ ይበዝሑ።+ ንዋናኡኸ ብኣዒንቱ ኺርእዮ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧+ 12 ኣገልጋልስ እቲ ዚበልዖ ሒደት ወይ ብዙሕ ይኹን ብዘየገድስ፡ ድቃሱ ጥዑም እዩ፣ ንሃብታም ግና እቲ ሃብቱ ድቃስ ይኸልኦ። 13 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ ኣዝዩ ዜሕዝን ነገር* ኣሎ፦ ንጕድኣት ዋናኡ እተዓቝረ ሃብቲ ኣሎ። 14 እዚ ሃብቲ እዚ ብሰንኪ ሕማቕ ዕዮ ይጠፍእ፣ ወዲ ኣብ ዚወልደሉ እዋን ከኣ፡ ኣብ ኢዱ ሓንቲ እኳ ኣይተርፎን።+ 15 ከምቲ ኻብ ማሕጸን ኣዲኡ ዝወጸ፡ ከምታ ዝመጻ፡ ጥራዩ ይኸይድ።+ ካብ ኵሉ እቲ ዝጸዓረሉ ድማ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን።+ 16 እዚ እውን ኣዝዩ ዜሕዝን ነገር* እዩ፦ ከምታ ዝመጻ እዩ ዚኸይድ፣ እቲ ንንፋስ ዚጽዕር ደኣ እንታይ ረብሓ እዩ ዚረክብ፧+ 17 መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ምስ ብዙሕ ብስጭትን ሕማምን ቍጥዓን እዩ ኣብ ጸልማት ዚበልዕ።+ 18 እዚ ድማ ጽቡቕን ግቡእን ምዃኑ ረኣኹ፦ ሰብሲ ኣብቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝሃቦ ሒደት መዓልትታት ህይወት፡ ይብላዕን ይስተን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉ ዅሉ ጻዕሪ እውን ይተሓጐስ፣+ እዝስ ጻማኡ* እዩ።+ 19 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ብእኡ ናይ ምሕጓስ ክእለትን ካብ ሃቦ፡+ ጻማኡ* ይውሰድ፡ ብጻዕሩ እውን ይተሓጐስ። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።+ 20 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብታሕጓስ ልቡ ትሑዝ ስለ ዚገብሮ፡ ነቲ ዚሓልፍ መዓልትታት ህይወቱ ኣየስተብህለሉን* እዩ።+ 3 “ብለይትታት ኣብ ዓራተይ፡ነቲ ዘፍቅሮ* ደለኽዎ።+ ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።+ 2 ክትንስእ እሞ ኣብ ከተማ ኽዘውር እየ፣ኣብ ጐደናታትን ኣብ ኣደባባያትንነቲ ዘፍቅሮ* ኽደልዮ እየ። ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን። 3 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ።+ ‘ነቲ ዘፍቅሮ* ርኢኹምዎዶ፧’ 4 ቍሩብ ምስ ሓለፍክዎም፡ነቲ ዘፍቅሮ* ረኸብክዎ። ሓዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይ፡ናብ ውሽጣዊት ክፍሊ ወላዲተይ ክሳዕ ዘእትዎ፡+ኣይሓደግክዎን። 5 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ብሰስሓን ብእራብ መሮርን አምሕለክን ኣለኹ፦ ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።”+ 6 “እዚ ኸርበን ጻዕዳ ዕጣንን ዚጨኑ፡ምስ ኵሉ ምዑዝ ዝጨናኡ ቐመም ነጋዳይከም ዓንዲ ትኪ ዀይኑ ኻብ በረኻ ዚመጽእ ዘሎ እንታይ እዩ፧”+ 7 “እንሆ፡ ናይ ሰሎሞን ዓራት እዩ። ካብ ጀጋኑ እስራኤል፡+ስሳ ጀጋኑ ኸቢቦምዎ ኣለዉ። 8 ኵላቶም ሰይፊ እተዓጥቁ፡ኵላቶም ንውግእ ዝሰልጠኑ፡ካብ ሽበራ ለይቲ ንምሕላው ከኣ፡ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ጐድኑ እተዓጥቀ እዩ።” 9 “ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኣእዋም ሊባኖስ ዘስርሖዚጽወረሉ ዓራት* እዩ።+ 10 ኣዕኑዱ ኻብ ብሩር፡መደገፊኡ ኻብ ወርቂ እተገብረ እዩ። መንበሩ ኻብ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እዩ፣ውሽጡ ድማ ኣዋልድ የሩሳሌምብፍቕሪ ዝሰለማኦ እዩ።” 11 “ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡ ውጻ፡ንንጉስ ሰሎሞንእቲ ኣዲኡ+ ብመዓልቲ መርዓኡ፡በታ ልቡ እተሓጐሰትሉ መዓልቲዝገበረትሉ ኣኽሊል መርዓ* ገይሩ ኸሎስ ጠምታኦ።” 7 “ኣቲ ኽብርቲ ጓል፡ኣእጋርኪ ኣብ ኣሳእንኪ ኽንደይ ይጽብቓ! ቅርጺ ሰለፍኪ ኸም ስልማት፡ከም ዕዮ ኢደ ጥበበኛ እዩ። 2 ሕምብርትኺ ኸቢብ ጭሔሎ እዩ። እተሓዋወሰ ወይኒ ኣይጕደሎ። ከብድኺ ብዕምባባታት ሹሻን ከም እተኸብበኵምራ ስርናይ እዩ። 3 ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸም ክልተ ማሕስእ፡ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።+ 4 ክሳድኪ+ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ።+ ኣዒንትኺ+ ኸምተን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ባት-ራቢም ዘለዋሓጽብታት ሔስቦን+ እየን። ኣፍንጫኺ ኸምቲ ናብ ደማስቆ ገጹ ዜርኢግምቢ ሊባኖስ እዩ። 5 ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፣+ዘው ዚብል ጸጕርኺ*+ ኸምቲ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እዩ።+ ንጉስ በቲ ዛውያኺ ተማሪኹ።* 6 ፍቕርተየ፡ ካብ ኵሉ ኣዝዩ ደስ ዜብል ንላዕልስክንደይ ትጽብቒ፡ ክንደይከ ባህ ተብሊ! 7 ቍመትኪ ኸም ኦም ስየ፡ኣጥባትኪ ኸም ዘለላታት ተምሪ እዩ።+ 8 ‘ኣብ ኦም ስየ ኽድይብ፡ነቲ ጨናፍር ምስ ፍሪኡ ኽሕዝ እየ’ በልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡ትንፋስኪ ኸኣ ከም ቱፋሕ ምዑዝ ይኹን። 9 ኣፍኪ* ድማ ከም ብሉጽ ወይኒ ይኹን።” “ከምቲ ኣብ ከናፍር እቶም ዝደቀሱ ቐስ ኢሉ ዚፈስስ፡ንፍቱወይ ሰተት ኢሉ ይውረደሉ። 10 ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣+ትምኒቱ ኸኣ ናባይ እዩ። 11 ፍቱወየ፡ ንዓ፣ናብ መሮር ንውጻእ፣ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ሒና ንኹን።+ 12 ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡*ጐጕማ እንተ ነቒዑ፡+ሮማን እውን እንተ ዓምቢቡ ኽንርኢ፡+ኣንጊህና ተንሲእና ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ንኺድ።+ ኣብኡ ፍትወተይ ክገልጸልካ እየ። 13 ፍረታት ማንድራጎራ+ መዓዛኡ ይህብ፣ኣብ ኣፍ ደገታትና ዅሉ ዓይነት ብሉጽ ፍረታት ኣሎ።+ ፍቱወየ፡ ሓድሽን ዝጸንሐንዓቚረልካ ኣለኹ። 1 ናይ ሰሎሞን መሃልየ መሃልይ፦*+ 2 “ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ፣መግለጺ ፍትወትካሲ ኻብ ወይኒ ይጥዕም።+ 3 መዓዛ ዘይትኻ ባህ ዜብል እዩ።+ ስምካ ኸም ዝፈሰሰ ምዑዝ ዘይቲ እዩ።+ ስለዚ እየን ኣዋልድ ዜፍቅራኻ። 4 ምሳኻ ውሰደኒ፣* ንጕየ። ንጉስ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታቱ ኣምጺኡኒ! ብኣኻ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ሓለፋ ወይንስ መግለጺ ፍትወትካ ንወድስ።* ንሳተን* ኬፍቅራኻስ ሓቀን እየን። 5 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፣ግናኸ፡ ከም ድንኳናት ቄዳር፡+ ከም ዓለባ ድንኳናት+ ሰሎሞን ምጭውቲ እየ። 6 ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡ጸላም ስለ ዝዀንኩ፡ ኣይትጠምቱኒ። ደቂ ኣደይ ተቘጢዖምኒ፣ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሮምኒ፣ናተይ ኣታኽልቲ ወይኒ ግና ኣይሓሎኹን። 7 ኣታ ዘፍቅረካ፡*ንመጓሰኻ ኣበይ ከም እትጓሲ፡+ቀትሪ ኣበይ ከም እተዕርፈን ንገረኒ። ስለምንታይከ ኣብ መንጎ መጓሰ ብጾትካብመጐልበቢ* ኸም እተጐልበበት ዝኸውን፧” 8 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡ኪዲ ኣሰር መጓሰ ስዓቢ፣መሓስእኪ ድማ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ጓስዪ።” 9 “ፍቕርተየ፡ ኣብ መንጎ ሰረገላታት ፈርኦን ብዘላ ባዝራ* እየ ዝምስለኪ።+ 10 መዓጕርትኺ ምስ ስልማት* ምጩዋት እየን፣ክሳድኪ ምስ ድሪ ኣዕናቝ እውን ከምኡ እዩ። 11 ጌጽ ብሩር ዘለዎስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።” 12 “ንጉስ ኣብ መኣዱ ተቐሚጡ ኸሎ፡ሽቶይ*+ መዓዛኡ ይህብ። 13 ፍቱወይ ንዓይ ከም ምዑዝ ቍጻር ከርበ እዩ፣+ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ድማ ይሓድር። 14 ፍቱወይ ንዓይ፡ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔን-ገዲ፡+ከም ዘለላ ሒና እዩ።”+ 15 “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን።”+ 16 “እነኻ፡ ፍቱወየ፡ ጽቡቕን ደስ እተብልን ኢኻ።+ ዓራትና ኣብ መንጎ ለምለም እዩ። 17 ኣግማል ቤትና* ቄድሮሳት፡ሰርወታትና ኸኣ ኣእዋም ጽሕዲ* እዩ። 8 “ኣየ ኸምቲ ኣጥባት ኣደይ ዝጠበወሓወይ እንተ ትኸውን! ሽዑ፡ ኣብ ወጻኢ እንተ ዝረኽበካ፡ ምሰዓምኩኻ፣+ዋላ ሓደ እውን ኣይምነዓቐንን። 2 ምመራሕኩኻ፣ናብ ቤት እታ ዝመሃረትኒ ኣደይ+መእቶኹኻ። እተቐምመ ወይኒ፡ጽማቝ ሮማን መስተኹኻ። 3 ጸጋመይቲ ኢዱ መተርኣሰትኒ፣የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ምሓቘፈትኒ።+ 4 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ አምሕለክን ኣለኹ፦ ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።”+ 5 “እዛ ኣብ ፍቱዋ ተመርኲሳኻብ በረኻ እትመጽእ ዘላ መን እያ፧” “ኣብ ትሕቲ ኦም ቱፋሕ ኣንቃሕኩኻ። ኣብኡ ኣዴኻ ቕልውላው ሓዛ። ኣብኡ ብጻዕሪ ወለደትካ። 6 ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ። ፍቕርስ ከም ሞት ሓያል እያ፣+ንበይና እትደልዮ ተወፋይነት ድማ ከም መቓብር* ጽኑዕ እዩ። ሃልሃልታኣ ኸኣ ዚነድድ ሓዊ፡ ሃልሃልታ ያህ* እዩ።+ 7 ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት ኬጥፍኣ፡+ኣፍላግ ድማ ኪወስዳ ኣይክእልን እዩ።+ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዅሉ ጥሪት ቤቱ እንተ ዜቕርብ፡እዚ* ብጥራስ ምተናዕቀ።” 8 “ጡብ ዘየውጽአትንእሽቶ ሓብቲ ኣላትና።+ በታ ብዛዕባኣ ዚዝረበላ መዓልቲንሓብትና እንታይ ክንገብረላ ኢና፧” 9 “መንደቕ እንተ ዀይና፡ኣብ ልዕሊኣ መጋረዲ ብሩር ክንሰርሕ ኢና፣ማዕጾ እንተ ዀይና ግና፡ብኣልዋሕ ቄድሮስ ክንዓጽዋ ኢና።” 10 “ኣነስ መንደቕ እየ፣ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን። ስለዚ፡ ኣብ ኣዒንቱ፡ሰላም ከም ዝረኸበት ኰንኩ። 11 ሰሎሞን ኣብ በዓል-ሃሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።+ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ንሓለውቲ ብሕድሪ ሃቦ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ክንዲ ፍሪኡ ሽሕ ብሩር የምጽኡ ነበሩ። 12 እታ ናተይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ቅድመይ እያ። ኦ ሰሎሞን፡ ሽሕ ብሩርሲ* ናትካ፡ክልተ ሚእቲ ድማ ናይቶም ፍሪኡ ዚሕልዉ እዩ።” 13 “ኣቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ እትቕመጢ፡+እቶም ብጾትሲ ንድምጽኺ ጽን ይብሉ እዮም። ንዓይ ግዳ ኣስምዕኒ!”+ 14 “ፍቱወየ፡ ቀልጥፍ፣ኣብ ኣኽራን ሽቱ፡ከም ሰስሓወይ ከም ውላድ እራብ ፍጠን።”+ 2 “ኣነስ ሳፍሮን ጐልጐል፡ዕምባባ ሹሻን ስንጭሮታት ጥራይ እየ።”+ 2 “ፍቕርተይሲ ኣብ መንጎ ኣዋልድ፡ኣብ መንጎ እሾዅ ከም ዘላ ዕምባባ ሹሻን እያ።” 3 “ፍቱወይሲ ኣብ መንጎ ኣወዳት፡ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ከም ዘሎ ኦም ቱፋሕ እዩ። ኣብ ጽላሉ ክቕመጥ ብርቱዕ ትምኒት ኣሎኒ፣ፍሪኡ ድማ ጥዑም እዩ ዚጥዕመኒ። 4 ናብ ቤት ድግስ* ወሰደኒ፣ኣብ ልዕለይ ዘሎ ሰንደቕ ዕላማኡ ፍቕሪ እዩ። 5 ብፍቕሪ ሓሚመ እየ እሞ፡ብጎጎ ዘቢብ ኣበርትዑኒ፡+ብቱፋሕ ድማ ዓንግሉኒ። 6 ጸጋመይቲ ኢዱ ተተርእሰኒ፣የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ትሓቝፈኒ።+ 7 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ብሰስሓን+ ብእራብ መሮርን አምሕለክን ኣለኹ፦ ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።+ 8 ድምጺ ፍቱወይ! ኣኽራን እናሓዀረ፡ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት እናዘለለእንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ። 9 ፍቱወይ ከም ሰስሓን ከም ውላድ እራብን እዩ።+ ብድሕሪ መንደቕና ደው ኢሉ፡ብመስኰት ይጥምት፡ብዓይነ ርግቢ ይምልከት እንሆ። 10 ፍቱወይ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡኒ፦ ‘ፍቕርተየ፡ ተንስኢ፣ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ። 11 እንሆ፡ ክረምቲ ሓሊፉ። ዝናም ከኣ ተወዲኡ፡ ከይዱ። 12 ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእዩ፣+ግዜ ምጥጣፍ ኣኺሉ፣+መዝሙር ባሬቶ ድማ ኣብ ምድርና ተሰሚዑ።+ 13 ኦም በለስ ቀዳማይ በለሱ ጐጒቡ፣+ኣታኽልቲ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ኣውጺኡ። ፍቕርተየ፡ ተንስኢ እሞ ንዒ። ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ። 14 ኣቲ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ፡+ኣብ ሕቡእ ክፋል ጸድፊ ዘለኺ ርግበይ፡ድምጽኺ ባህ ዜብል፡ መልክዕኪ እውን ምጩው እዩ እሞ፡+መልክዕኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ድማ ኣስምዕኒ።’”+ 15 “ኣታኽልቲ ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፡ነተን ንኣታኽልቲ ወይንና ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ነተን ኰራዅር ወኻሩ ሓዙልና።” 16 “ፍቱወይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እውን ናቱ እየ።+ ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።+ 17 ፍቱወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡* ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሃድምሲ፡ከምታ ኣብ ኣኽራን ፍልልይ* ዘላ ሰስሓ+ ወይ ውላድ እራብ፡+ቀልጢፍካ ተመለስ። 4 “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ብድሕሪ መጐልበቢኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን። ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ኣኽራን ጊልዓድ ዚወርዳመጓሰ ኣጣል እዩ።+ 2 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታተሓጺበን ዚድይባእተቐምቀማ ኣባጊዕ እየን። 3 ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ፡ዘረባኺ ኸኣ ደስ ዜብል እዩ። መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺኸም ምቃል ሮማን እየን። 4 ክሳድኪ+ ኸምቲ ብመስርዕ እምኒ እተሃንጸ፡ሽሕ ዋልታ፡ኵሉ ኸቢብ ዋላቱ ጀጋኑ ዚስቀሎ+ግምቢ ዳዊት እዩ።+ 5 ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸምተንኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ዚበልዓ ኽልተ ማሕስእ፡ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።”+ 6 “መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡* ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሃድምሲ፡ናብ ከረን ከርበ፡ናብ ኵርባ ጻዕዳ ዕጣን ክኸይድ እየ።”+ 7 “ፍቕርተየ፡ ኵለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፣+ኣበር የብልክን። 8 መርዓተየ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፣ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ።+ ካብ ርእሲ ኣማና፡*ካብ ርእሲ ሰኒር፡ ካብ ርእሲ ሄርሞን፡+ካብ ሰፈር ኣናብስ፡ ካብ ኣኽራን ኣናብር ውረዲ። 9 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ልበይ ማሪኽክዮ፣+ብሓንቲ ቘላሕታ ኣዒንትኺ፡ብሓንቲ ዕንቊ ስልማት ክሳድኪ ልበይ ማሪኽክዮ። 10 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ መግለጺ ፍትወትኪ ኽንደይ ይጽብቕ!+ መግለጺ ፍትወትኪ ኻብ ወይኒ፡+መዓዛ ቕብእኺ ኻብ ኵሉ ጥዑም ጨና ኣጸቢቑ ይበልጽ!+ 11 መርዓተየ፡ ከናፍርኪ ኻብ ጎጎኡ ወለል ዚብል መዓር የንጠብጥብ።+ ኣብ ትሕቲ ልሳንኪ መዓርን ጸባን ኣሎ፣+መዓዛ ኽዳውንትኺ ድማ ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ። 12 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡እወ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ከም ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ። 13 ጨናፍርኪ* ገነት* ሮማን፡ምስ ሕሩይ ፍረታት፡ ምስ ሒናን ኣትክልቲ ናርዶስን እዩ። 14 ናርዶስን+ ሳፍሮንን፡ ቃንጫን*+ ቃርፋን፡+ምስ ኵሉ ዓይነት ኣእዋም ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ዓልወን፡+ምስ ብሉጽ ጥዑም ጨና+ ድማ እዩ። 15 ናይ ስፍራ ኣታኽልቲ ዓይኒ ማይ፡ ፈልፋሊ ማይ ዒላ፡ካብ ሊባኖስ ዚውሕዝ ወሓይዝ ኢኺ።+ 16 ኣታ ንፋስ ሰሜን፡ ንቓሕ፣ኣታ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ። ኣብ ልዕሊ ስፍራ ኣታኽልተይ ንፈስ።* መዓዛኡ ይዘርጋሕ።” “ፍቱወይ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ ይምጻእ፡ሕሩይ ፍረታቱ ድማ ይብላዕ።” 6 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡ፍቱውኪ ናበይ ከይዱ፧ ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ፍቱውኪ ናበይ ኣቢሉ፧” 2 “ፍቱወይሲ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ፡ናብ መደባት ኣትክልቲ ሽቱ፡ኣብ መንጎ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺጓስንዕምባባታት ሹሻን ኪቕንጥስን ከይዱ።+ 3 ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣ፍቱወይ ድማ ናተይ እዩ።+ ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።”+ 4 “ፍቕርተየ፡ ከም ቲርጻ*+ ጽብቕቲ፡+ከም የሩሳሌም ምጭውቲ፡+ኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ኢኺ።+ 5 ኣዒንትኺ+ ኣይከኣልክወንን እሞ፡ካባይ ንንየው ኣብልየን። ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ጎቦታት ጊልዓድ ዚወርዳ፡መጓሰ ኣጣል እዩ።+ 6 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታተሓጺበን ዚድይባመጓሰ ኣባጊዕ እየን። 7 መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺኸም ምቃል ሮማን እየን። 8 ንግስትታት 60፡ኣንስቲ ወሰን 80፡ኣዋልድ ከኣ ቍጽሪ ዘይብለን ኣለዋ።+ 9 ግናኸ፡ ርግበይ፡+ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ። ንኣዲኣ ሓንቲ እያ። ንወላዲታ ምርጽቲ* እያ። ኣዋልድ ርእየን፡ ሕጕስቲ ይብላኣ፣ንግስትታትን ኣንስቲ ወሰንን ድማ ይውድሳኣ። 10 ‘ከም ወጋሕታ እትበርህ፡*ከም ምልእቲ ወርሒ ጽብቕቲ፡ከም ብርሃን ጸሓይ ንጽህቲኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ዝዀነት እዚኣ መን እያ፧’”+ 11 “ኣብ ስንጭሮ* ሓድሽ ብቋል ክርኢ፡ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ* ኽርኢ፡ሮማን እንተ ዓምቢቡ ኽርኢ፡ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣእዋም ካዕካዕ ወሪደ።+ 12 ከይፈለጥኩስ፡ትምኒተይ* ናብ ሰረገላታትክቡር* ህዝበይ ወሲዱኒ።” 13 “ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሹላማዊት! ክንርእየክስተመለሲ፡ ተመለሲ!” “ስለምንታይ ኢኹም ነታ ሹላማዊት እትጥምትዋ፧”+ “ንሳስ ከም ሳዕስዒት ክልተ ጕጅለ* እያ!” 5 “ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ናብ ስፍራ ኣታኽልተይ ኣትየ።+ ከርበይን ሽቶይን ኣርየ።+ ጎጎ መዓረይን መዓረይን በሊዐ፣ወይነይን ጸባይን ሰትየ።”+ “ኣቱም ኣዕሩኽ፡ ብልዑ! ስተዩ እሞ፡ ብመግለጺ ፍትወት ስኸሩ!”+ 2 “ኣነስ ደቂሰ፡ ልበይ ግና ነቒሑ ኣሎ።+ እናተዃሕኵሐ ድምጺ ፍቱወይ ሰሚዐ! ‘ሓብተየ፡ ፍቕርተየ፡ርግበየ፡ ፍጽምተየ፡ ክፈትለይ! ርእሰይሲ ብኣውሊ፡ዘው ዝበለ ጸጕረይ ብጠሊ ለይቲ ጠልቅዩ።’+ 3 ወለል ዚብል ክዳነይ ኣውጺአ እየ። ክኽደኖዶ፧ ኣእጋረይ ተሓጺበ እየ። ከርስሖዶ፧ 4 ፍቱወይ ኢዱ ኻብ ነዃል ማዕጾ መለሰ፣ንዕኡ ዘሎኒ ስምዒት ከኣ ተለዓዓለ። 5 ንፍቱወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ፣ኣእዳወይ ከርበ፡ኣጻብዐይ ድማ ፈሳሲ ኸርበኣብቲ መትሓዝ መሸጐሪ ኣንጠብጠበ። 6 ንፍቱወይ ከፈትኩሉ፣ፍቱወይ ግና ረሓቐ፡ ከደ። ምስ ነቐለ፡ ተስፋ ቐበጽኩ።* ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።+ ጸዋዕክዎ፡ ግናኸ ኣይመለሰለይን። 7 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ። ወቕዑኒ፡ ኣቝሰሉኒ። ሓለውቲ መካበብያ ንመጐልበብየይ ወሰድዎ። 8 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ አምሕለክን ኣለኹ፦ ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፡ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ ንገራኦ።” 9 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡ፍቱውኪ ኻብ ካልእ ፍቱው ከመይ ኢሉ ይበልጽ፧ ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡ፍቱውኪ ኻብ ካልእ ፍቱው ከመይ ኢሉ ይበልጽ፧” 10 “ፍቱወይሲ ዜንጸባርቕን ቀይሕን እዩ፣ኣብ መንጎ ዓሰርተ ሽሕ ምርኡይ እዩ። 11 ርእሱ ወርቂ፡ ጽሩይ ወርቂ እዩ። ዘው ዝበለ ጸጕሩ፡ ሰሰው ከም ዚብል ጨናፍር ስየ፡*ከም ኳዅ ጸሊም እዩ። 12 ኣዒንቱ ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ፡ኣብ ጥቓ ኽሳዕ ኣፉ ዝመልአ ሓጽቢ* ኸም ዘለዋብጸባ ዚሕጸባ ረገቢት እየን። 13 መዓጕርቱ ኸም መደብ ሽቱ፡+ከም ኵምራታት ምዑዝ ኣትክልቲ እዩ። ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕምባባታት ሹሻን እየን።+ 14 ኣእዳዉ ክሪሶሊት ዘለዎ ሲሊንደራት ወርቂ እየን። ከብዱ ብሰፊሮስ እተሸፈነ ዅሉዕ ስኒ ሓርማዝ እዩ። 15 ኣእጋሩ ብጽሩይ ወርቂ ኣብ እተገብረ መቘሚ ዝቘመ እምነ በረድ እየን። ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ቄድሮሳት መወዳድርቲ ዘይብሉ እዩ።+ 16 ኣፉ* ኣዝዩ ጥዑም እዩ፣ኵለንትናኡ ተባሃጊ እዩ።+ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ፍቱወይሲ እዚ እዩ፡ ፍቑረይሲ እዚ እዩ።” 17 ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ “እንሆ፡ ደማስቆ ኸተማ ኻብ ምዃን ከተቋርጽ፡ኵምራ ዑናታት ድማ ክትከውን እያ።+ 2 ከተማታት ዓሮዔር+ ኪሕደጋ፡መደቀሲ መጓሰ ኸኣ ኪዀና እየን፣ንዓታተን ዜፍርሀን እውን ኣይኪህሉን እዩ። 3 እተዓርዳ ኸተማታት ካብ ኤፍሬም+ ኪጠፍኣ እየን፣መንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆ+ ኽትጠፍእ እያ። እቶም ካብ ሶርያ ዝተረፉ ድማ፡ከም ክብሪ እስራኤላውያን ኪዀኑ እዮም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 4 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪንኪ፡እቲ ጥዑይ ሰብነቱ* ኸኣ ኪዓብር እዩ። 5 ከምቲ ዓጻዳይ ዘይተዓጽደ እኽሊ ዚእክብ፡ቅልጽሙ ድማ ንጉምቦታት ዚዓጽዶ፡ከምቲ ሰብ ኣብ ስንጭሮ* ረፋይም+ ጉምቦታት ዚቐርም ኪኸውን እዩ። 6 ከምቲ ኦም ኣውልዕ ምስ ተወቕዐ ዝዀኖ፡ቀሪም ጥራይ ኪተርፍ እዩ፦ ኣብቲ ላዕለዋይ ጨንፈሩ ኽልተ ወይ ሰለስተ ብሱል ኣውልዕ ጥራይ፡ኣብቲ ፍረ ዚፈሪ ጨናፍሩ ኸኣ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጥራይ ኪተርፍ እዩ”+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል። 7 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ናብ ገባሪኡ ኣንቃዕሪሩ ኺርኢ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪጥምታ እየን። 8 ናብቲ ኣእዳዉ ዝሰርሓኦ+ መሰውኢታት+ ኣይኪርእን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ዀነ መሰውኢታት ዕጣን ከኣ ኣይኪጥምትን እዩ። 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እተን እተዓርዳ ኸተማታቱ ኸም ኣብ ዱር እተሓድገ ቦታ፡+ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ከም እተሓድገ ጨንፈር ኪዀና እየን፣ንሳ ድማ ክትባድም እያ። 10 ከመይሲ፡ ንኣምላኽ ድሕነትኪ ረሲዕክዮ፣+ንኸውሒ+ ዕርድኺ ኸኣ ኣይዘከርክን። ስለዚ፡ ጽቡቕ* ኣትክልቲ ትተኽሊ፡ምስ ጨንፈር ጋሻ* ድማ ትገብርዮ ኢኺ። 11 በታ ንኣትክልትኺ ተጠንቂቕኪ ዝሓጸርክላ መዓልቲ፡ንግሆ ንዘርእኺ ተብቍልዮ፣ምህርቲ ግና ብመዓልቲ ሕማምን ዘይሓዊ ስቓይን ኪጠፍእ እዩ።+ 12 እንሆ፡ ዕግርግር እቶም ከም ባሕርታት ዚናወጹብዙሓት ህዝብታት! ከም ደሃይ ድዋሕታ ብርቱዕ ማያት ዝዀነጫውጫውታ ኣህዛብ ኣሎ! 13 ኣህዛብ ከም ድዋሕታ ብዙሕ ማያት ዝበለ ደሃይ ኪገብሩ እዮም። ንሱ ኺገንሖም እዩ፣ ንሳቶም ድማ ናብ ርሑቕ ኪሃድሙ፡ከም ብቝቡቝ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ንፋስ ኪስጐጉ እዮም። 14 ምሸት፡ ሽበራ ኣሎ። ቅድሚ ንግሆ፡ የለዉን። ግደ እቶም ዚዝርፉና፡ዕጫ እቶም ዚዘምቱና እዚ እዩ። 60 “ብርሃንኪ መጺኡ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡+ ብርሂ። ክብሪ የሆዋ ኣባኺ በሪሁ እዩ።+ 2 እንሆ፡ ጸልማትሲ ንምድሪ፡ብርቱዕ ድነ እውን ንኣህዛብ ኬጐልብቦም እዩ፣ኣባኺ ግና የሆዋ ኼብርህ፡ኣባኺ ኸኣ ክብሩ ኺርአ እዩ። 3 ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡+ነገስታት+ ድማ ናብቲ ዚበርህ ግርማኺ*+ ኪኸዱ እዮም። 4 ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ናብ ዙርያኺ ጠምቲ! ኵሎም ተኣኪቦም፡ ኵሎም እውን ናባኺ ይመጹ ኣለዉ። ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡+ኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ተሓቚፈን ይመጹ ኣለዉ።+ 5 ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኬቕንዕ፡ጥሪት ኣህዛብ ድማ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡+ሽዑ፡ ክትርእዪ፡ ከተንጸባርቒ ኢኺ፣+ልብኺ እውን ትርግርግ ኪብልን ኪጅርብብን እዩ። 6 ብዙሓት ኣግማል፡ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ዔፋን+ ንምድርኺ ኪኸድናኣ* እየን። ኵሎም እቶም ካብ ሳባ ዝዀኑ፡ ኪመጹ እዮም፣ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ኪስከሙ እዮም። ውዳሰ የሆዋ ኺነግሩ እዮም።+ 7 ኵለን መጓሰ ቄዳር+ ናባኺ ኺእከባ እየን። ደዓውል ነባዮት+ ኬገልግሉኺ እዮም። ተቐባልነት ረኺቦም ናብ መሰውእየይ ኪመጹ እዮም፣+ነታ ኽብርቲ ቤተይ* ድማ ከጸብቓ እየ።+ 8 እዘን ከም ደበናታትን ናብ ኣባይተን* ከም ዚነፍራ ረገቢትንብሓባር ዚነፍራ መን እየን፧ 9 ደሴታትሲ ብኣይ ተስፋ ኺገብራ እየን፣+ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ፡ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ኬምጽኣ+መራኽብ ተርሲስ ይመርሓ* ኣለዋ፣ንሱ ኬኽብረኪ* እዩ እሞ፡ናብ ስም የሆዋ ኣምላኽክን ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኬምጽኣኦም እየን።+ 10 ብቝጥዓይሲ ወቒዐኪ ነይረ፣ብሞገሰይ* ግና ክምሕረኪ እየ እሞ፡+ጓኖት መካበብያኺ ኺሃንጹ፡ነገስታቶም ድማ ኬገልግሉኺ እዮም።+ 11 ኣፍ ደገታትኪ ወትሩ ኽፉት ኪኸውን እዩ፣+ጥሪት ኣህዛብ ናባኺ ምእንቲ ኺመጽእሲ፡ብመዓልቲ ዀነ ብለይቲ ኣይኪዕጾን እዩ፣ነገስታቶም ከኣ መሪሖም ኪመጹ እዮም።+ 12 ከመይሲ፡ ንዓኺ ዘየገልግል ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ኣህዛብ እውን ፈጺሞም ኪጠፍኡ እዮም።+ 13 ንቦታ መቕደሰይ ምእንቲ ኼጸብቖ፡+ክብሪ ሊባኖስን ኦም ጽሕድን* ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን+ብሓባር ኪመጸኪ እዩ፣ኣነ ድማ ነታ ንኣእጋረይ እትኸውን ቦታ ከኽብራ እየ።+ 14 ደቂ ጨቈንትኺ መጺኦም ኣብ ቅድሜኺ ኺሰግዱ፡ኵሎም እቶም ዚንዕቁኺ ኸኣ ኣብ ኣእጋርኪ ኺሰግዱ እዮም። ከተማ የሆዋ፡ ጽዮን እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስኢሎም ኪጽውዑኺ እዮም።+ 15 ሓደ እኳ ዘይሓልፋ እተሓድገትን እተጸልአትን ኣብ ክንዲ እትዀኒ፡+ምንጪ ዘለኣለማዊ ሓበን፡ንውሉድ ወለዶ መሐጐሲት ክገብረኪ እየ።+ 16 ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡+ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ፣+ኣነ የሆዋ፡ መድሓኒኺ ምዃነይ፡እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ድማ ተበጃዊኺ ምዃኑ ብርግጽ ክትፈልጢ ኢኺ።+ 17 ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ ኸምጽእ፡ኣብ ክንዲ ሓጺን ከኣ፡ ብሩር፡ኣብ ክንዲ ዕንጨይቲ ድማ፡ ነሓሲ፡ኣብ ክንዲ ኣእማን እውን፡ ሓጺን ከምጽእ እየ፣ንሰላም ሓለውትኺ ገይረ፡ንጽድቂ ኸኣ ኣዕየይትኺ ገይረ ኽሸይም እየ።+ 18 ኣብ ምድርኺ ዓመጻ፡ኣብ ዶባትኪ ድማ ጥፍኣትን ዕንወትን ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።+ ንመካበብያኺ ድሕነት፡+ ንኣፍ ደገታትኪ ኸኣ ውዳሰ ኢልኪ ኽትጽውዕየን ኢኺ። 19 የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+ኣምላኽኪ ድማ ጽባቐኺ ኪኸውን እዩ እሞ፡+ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃን ኣይክትኰነልክን እያ፣ድምቀት ወርሒ ኸኣ ኣይኬብርሃልክን እዩ። 20 የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+መዓልትታት ሓዘንኪ ድማ ኪውድኣ እየን እሞ፡+ጸሓይኪ ደጊም ኣይክትዓርብን፡ወርሕኺ እውን ኣይክትጐድልን እያ። 21 ኵሎም ህዝብኺ ኸኣ ጻድቃን ኪዀኑ፡ነታ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ኪርስተይዋ እዮም። ንሳቶም ናይቲ ዝተኸልክዎ ጠጥዒ፡ግብሪ ኣእዳወይ፡+ ንጽባቐይ እውን ዚዀኑ እዮም።+ 22 እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ።” 30 “እቶም ነቓጻት ደቂ፡ ወይለኦም”+ ይብል የሆዋ፣“ንሳቶም ዘይናተይ ውጥናት ይፍጽሙ፣+ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ኪውስኹ ድማ፡ብመንፈሰይ ዘይኰነ ኺዳን ይተኣታተዉ።* 2 ኣብ ትሕቲ ዕቝባ* ፈርኦን ኬጽልሉ፡ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ድማ ኪጽግዑ ኢሎም፡ከየማኸሩኒ*+ ናብ ግብጺ ይወርዱ!+ 3 ዕቝባ ፈርኦን ግና መሕፈሪኹም፡ጸግዒ ጽላል ግብጺ ኸኣ መዋረዲኹም ኪኸውን እዩ።+ 4 መሳፍንቱስ ኣብ ጾዓን+ ኣለዉ፣ልኡኻቱ እውን ናብ ሓኔስ በጺሖም ኣለዉ። 5 በቲ ሕፍረትን ውርደትን እምበር፡+ረድኤትን ጥቕምን ዘይህብገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ፡ኵላቶም ኪሓፍሩ እዮም።” 6 ኣንጻር እንስሳታት ደቡብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ በታ ምድሪ ጭንቅን ሽግርን፡በታ ምድሪ ኣንበሳን ዚጓዝም ኣንበሳን፡በታ ምድሪ ኣፍዑትን በራሪ ዜንድድ ተመንን* ኣቢሎም፡ሃብቶም ኣብ ዝባን ኣእዱግ፡ዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጕዳ ኣግማል ጽዒኖም ይኸዱ። እዚ ግና ነቲ ህዝቢ ኣይጠቕሞን እዩ። 7 ረድኤት ግብጽስ ከቶ ዘይጠቅም እዩ።+ ስለዚ፡ ነዚኣ፡ “ስቕ ኢላ እትቕመጥ ረሃብ”+ ኢለ ጸዊዐያ ኣለኹ። 8 “ሕጂ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ጽሓፎ፣ንዚመጽእ መዓልቲነባሪ ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡+ኣብ መጽሓፍ ወርቆ።+ 9 ንሳቶምሲ ዓለውቲ ህዝቢ፡+ መታለልቲ ደቂ፡+ሕጊ* የሆዋ ምስማዕ ዚኣብዩ ደቂ እዮም።+ 10 ንረኣይቲ፡ ‘ኣይትርኣዩ’ ይብሉ፣ንሰብ ራእይ ድማ፡ ‘ናይ ሓቂ ራእያት ኣይትንገሩና።+ ዚሽሕጥ* ነገር ንገሩና፣ መታለሊ ነገር ርኣዩልና።+ 11 ካብታ ጐደና ኣልግሱ፣ ካብታ መገዲ ተኣለዩ። ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ቅድሜና ኣይትግበሩልና’ ይብሉ።”+ 12 ስለዚ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ነዚ ቓል እዚ ስለ ዝነዓቕኩምዎ፡+ብዓመጻን ብምትላልን ስለ እተኣመንኩም፡ኣብኡ እውን ስለ እተጸጋዕኩም፡+ 13 ስለዚ፡ እዚ ስሕተት እዚ ኸም ዝነቕዐ መንደቕ፡ከምቲ ኺወድቕ ዝቐረበ ዝዘጠጠ ነዊሕ መንደቕ ኪኸውን እዩ። ብሃንደበትን ብቕጽበትን ኪፈርስ እዩ። 14 ከም ገንኢ ሰራሕ ካይላ ኺስበር እዩ፣ሓዊ ኻብ መጋርያ ንምጽሓር፡ወይ ማይ ካብ ዕቋር* ንምቕዳሕ ዚኸውን፡ካብ ገልዑ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ጠሪሱ ኺሕምሸሽ እዩ።” 15 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “ናባይ ብምምላስኩምን ብምዕራፍኩምን፡ ክትድሕኑ ኢኹም፣ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ።”+ ግናኸ፡ ንስኻትኩም ኣቢኹም።+ 16 ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣይፋልናን፡ ብኣፍራስ ክንሃድም ኢና!” ኢልኩም። ስለዚ፡ ክትሃድሙ ኢኹም። “ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንውጣሕ ኢና!”+ ስለዚ፡ እቶም ዚሰጕጉኹም ፈጣናት ኪዀኑ እዮም።+ 17 ብምፍርራህ ሓደስ ሽሕ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+እቲ ኻባኻትኩም ዝተረፈ ኸም ደቐል ኣብ ርእሲ ኸረን፡ከም ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኵርባ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡+ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሃድሙ ኢኹም። 18 የሆዋ ግና ሞገስ ኬርእየኩም ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ፣+ኪምሕረኩም ድማ ኪትንስእ እዩ።+ የሆዋስ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ።+ ኵሎም እቶም ዚጽበይዎ* ሕጉሳት እዮም።+ 19 እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን፡ ኣብ የሩሳሌም፡+ ምስ ተቐመጠ፡ ከቶ ኣይክትበክን ኢኻ።+ እንተ ኣእዊኻ፡ ብርግጽ ሞገስ ኬርእየካ እዩ፣ ስምዕ ምስ ኣበለ፡ ኪምልሰልካ እዩ።+ 20 የሆዋ፡ ጭንቂ ኸም እንጌራ፡ ጭቈና እውን ከም ማይ እኳ እንተ ሃበኩም፡+ እቲ ዓብዪ መምህርካ ኣይኪሕባእን እዩ፣ ኣዒንትኻ ድማ ነቲ ዓብዪ መምህርካ+ ኺርእያኦ እየን። 21 ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም እንተ ኣቢልኩም ከኣ፡+ ኣእዛንካ ብድሕሬኻ፡ “እታ መገዲ እዚኣ እያ።+ ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል ቃል ኪሰምዓ እየን። 22 ነቲ ብብሩር እተለበጠ ቕሩጽ ምስልታትን ብወርቂ እተለኽየ ፍሱስ ምስልታትን ከተርክስዎ ኢኹም።+ ከም ክዳን ጻግነ ኽትድርብይዎ፡ “ወጊድ!”* ድማ ክትብልዎ ኢኹም።+ 23 ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህቦ፡+ እቲ ኻብታ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ኣኺሉ ዚተርፍን መዓዛታት ዘለዎን* ኪኸውን እዩ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ማልካ ኣብ ሰፊሕ መጓሰዪታት ኪበልዓ እየን።+ 24 እቶም ንምድሪ ዚሓርሱ ኸብትን ኣእዱግን ከኣ ብመዝረውን ብመስአን እተዘርወ ምስ ጥዑም ምግቢ* እተሓወሰ ድርቋ ኺበልዑ እዮም። 25 በታ ግምብታት ዚወድቀላ መዓልቲ ዓብዪ ቕትለት ድማ፡ ኣብ ኵሉ ነዊሕ ከረንን ኣብ ኵሉ ነዊሕ ኵርባን፡ ወሓይዝን መገድታት ማይን ኪኸውን እዩ።+ 26 ብርሃን ምልእቲ ወርሒ ኸኣ ከም ብርሃን ጸሓይ ኪኸውን እዩ፣ በታ የሆዋ ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዝንነላን+ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላን+ መዓልቲ ድማ፡ ብርሃን ጸሓይ፡ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ፡ ሸውዓተ ዕጽፊ ኪኸውን እዩ።+ 27 እንሆ፡ ስም የሆዋ ብዚነድድ ኵራኡን ብኸቢድ ደበናታትንካብ ርሑቕ ይመጽእ ኣሎ። ከናፍሩ ቝጥዓ መሊኡ ኣሎ፣ልሳኑ እውን ከም እትባላዕ ሓዊ እያ።+ 28 ንኣህዛብ ብምሔ ጥፍኣት* ኪሓሕዮምሲ፡መንፈሱ* ኽሳብ ክሳድ ዚበጽሕ ዜዕለቕልቕ ውሒዝ እዩ፣ህዝብታት ከኣ ዜስሕት ልጓም ኣብ ምንጋጋኦም ኪህልዎም እዩ።+ 29 መዝሙርኩም ግና ከምታ ንበዓል ክትዳለዉ* ኸለኹም፡+ለይቲ እትዝምርዋ መዝሙር ክትከውን እያ፣ሓጐስ ልብኹም ድማ፡ከም ሓጐስ እቲ ሻምብቆ ሒዙ*ናብ ከረን የሆዋ፡ ናብ ከውሒ እስራኤል ዚኸይድ ኪኸውን እዩ።+ 30 የሆዋ ኸኣ ነቲ ግርማዊ ድምጹ+ ኼስምዕ እዩ፣ቅልጽሙ+ ብረስኒ ቝጥዓ፡+ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን+ብብርቱዕ ዝናምን+ ብሃጽፍን ብበረድን ኣውሪዱ ኼርኢ እዩ።+ 31 ብድምጺ የሆዋስ ኣሶር ብሽበራ ኺውቃዕ እዩ፣+ብበትሪ ኺወቕዖ እዩ።+ 32 ኣብ ውግእ ቅልጽሙ ኼልዕለሎም ከሎ፡+ኵሉ መዝበጥቲ እቲ የሆዋ ኣብ ኣሶር ዜውርዶበትሪ መቕጻዕቲ፡ብኸበሮን ብመሰንቆን* ኪስነ እዩ።+ 33 ቶፌቱስ*+ ድሮ ተዳልዩ ኣሎ፣ንንጉስ እውን ተዳልዩ ኣሎ።+ ነቲ እተጸፍጸፈ ዕንጨይቲ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፣ኣብኡ እውን ብዙሕ ሓውን ዕንጨይትን ኣሎ። ትንፋስ የሆዋ፡ ከም ውሒዝ ዲን ኰይኑ፡ንዕኡ ኼባርዖ እዩ። 35 በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡+ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።+ 2 ብርግጽ ኪዕምብብ እዩ፣+ኪሕጐስን እልል ኪብልን እዩ። ክብሪ ሊባኖስ፡+ግርማ ቀርሜሎስን+ ሳሮንን+ ኪውሃቦ እዩ። ክብሪ የሆዋ፡ ግርማ ኣምላኽና፡ ኪርእዩ እዮም። 3 ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፣ወለል ንዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ።+ 4 ነቶም ጭኑቕ ዝልቦም፡“በርትዑ። ኣይትፍርሁ። እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነ ኺመጽእ፡ምስ ፍዳ እውን ኪመጽእ እዩ።+ ኪመጽእን ኬድሕነኩምን እዩ”+ በልዎም። 5 ሽዑ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡+ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።+ 6 ሽዑ፡ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰራሰር፡+ልሳን ዓባስ ድማ እልል ኪብል እዩ።+ ከመይሲ፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ወሓይዝ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ። 7 ምድሪ ረመጽሲ ሻምብቆ ዝመልኦ ራህያ፡ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ።+ ኣብ ሰፈር ወኻሩ፡*+ሳዕርን ሻምብቆን ጳጲሮስን ኪኸውን እዩ። 8 ጐደና ድማ ኣብኣ ኽትከውን፡+እወ፡ መገዲ ቕድስና እትብሃል መገዲ ኽትህሉ እያ። ርኹስ ብእኣ ኣይኪጕዓዝን እዩ።+ ነቶም በታ መገዲ ዚመላለሱ እተሓዝአት እያ፣ዓሻ ኸኣ ስሒቱ ናብኣ ኣይኬብልን እዩ። 9 ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ሕሱም ኣራዊት ድማ ኣይኪድይባን እዩ። ኣብኣ እውን ኣይኪርከብን እዩ፣+ብጁዋት ጥራይ ደኣ ኣብኣ ኺመላለሱ እዮም።+ 10 እቶም የሆዋ እተበጀዎም ከኣ ኪምለሱን+ ብእልልታ ናብ ጽዮን ኪመጹን እዮም።+ ዘይውዳእ ሓጐስ ድማ ኣብ ርእሶም ከም ዘውዲ ኪኸውን እዩ።+ ፍስሃን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣ጓህን እህህታን ከኣ ኪሃድም እዩ።+ 31 እቶም ረድኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡+ኣብ ኣፍራስ ዚውከሉ፡+ብዙሓት ብምዃነን ኣብ ሰረገላታት፡ሓያላት ብምዃኖም ከኣ ኣብ ኣፍራስ ውግእ* ዚእመኑ፡ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ንየሆዋ ድማ ኣይደልይዎን። 2 ግናኸ፡ ንሱ እውን ጥበበኛ እዩ፡ መዓት ድማ ኬምጽእ እዩ፣ንቓሉ ኸኣ ኣይመልሶን እዩ። ኣንጻር ቤት ገበርቲ እከይ፡ኣንጻር እቶም ንገበርቲ ኽፉእ ዚረድኡ ኺትንስእ እዩ።+ 3 ግብጻውያን ግና ሰብ ጥራይ እዮም እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰኑን፣ኣፍራሶም ስጋ እዮም እምበር፡ መንፈስ ኣይኰኑን።+ የሆዋ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፡ዚረድእ ዘበለ ኺዕንቀፍ፡ዚርዳእ ዘበለ ኺወድቕ እዩ፣ኵላቶም ብሓንሳእ ኪጠፍኡ እዮም። 4 የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ እዩ፦ “ከምቲ ኣንበሳ፡ ሽደን ኣንበሳ፡ ግዳዩ ሒዙ ኸሎ፡ብምሉኦም ጓሶት ተጸዋዊዖም ምስ መጽዎ ሕኒን ዚብል፡ብድምጾም ከኣ ዘይሽበር፡ብጫውጫውታኦም ድማ ድምብርጽ ዘይብሎ፡ከምኡ እውን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ምእንቲ ኺዋጋእ፡ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ኵርባኣን ኪወርድ እዩ። 5 ከምተን ዚንቈታ ኣዕዋፍ ዚገብራኦ፡ ከምኡ ኸኣ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ንየሩሳሌም ኪከላኸለላ እዩ።+ ኪከላኸለላን ኬድሕናን እዩ። ኬዕቍባን ኬናግፋን እዩ።” 6 “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ናብቲ ኻብኡ ኣዚኹም ዝዓሎኹም፡ ተመለሱ።+ 7 በታ መዓልቲ እቲኣስ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣእዳውኩም ብሓጢኣት ዝገበርዎም ካብ ብሩር እተገብሩ ኸንቱ ኣማልኽቱን ነቶም ካብ ወርቂ እተገብሩ ዘይረብሑ ኣማልኽቱን ኪድርቢ እዩ። 8 ኣሶር ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ እምበር፡ ብሰብ ኣይኰነን፣ናይ ሰብ ዘይኰነ ሰይፊ ኸኣ ኪውሕጦ እዩ።+ ካብ ቅድሚ ሰይፊ ኺሃድም እዩ፣ኣጕባዙ እውን ብግዲ ኺሽቅሉ እዮም። 9 ካብ ብዝሒ ፍርሂ እተላዕለ፡ ከውሑ ኺሓልፍ እዩ፣መሳፍንቱ እውን ብሰንደቕ ዕላማ ኺሽበሩ እዮም”ይብል እቲ ብርሃኑ* ኣብ ጽዮን፡ እቶኑ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ የሆዋ። 18 ኣብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ+ ዘላምድሪ እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ ሓሸራ፡ ወይለኣ! 2 ኣብ ማያት ብዚሰፍፋ ጃለቡ ጳጲሮስ ኣቢላብባሕሪ ኸምዚ ዚብሉ ልኡኻት ትልእኽ፦ “ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት፡ናብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*ኣብ ኵሉ ናብ ዚፍራህ ህዝቢ፡+ናብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*ምድሩ እውን ብኣፍላግ ናብ እተባሕጐገት ህዝቢ ኺዱ።” 3 ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩን ኣብ ምድሪ እትቕመጡን፡እቲ እትርእይዎ ኣብ ኣኽራን ከም እተላዕለ ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እዩ፣ከም ዚንፋሕ መለኸት ዝበለ ደሃይ ከኣ ክትሰምዑ ኢኹም። 4 የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ፦ “ከም ውሪግሪግ ዚብል ሙቐት ምስ ብርሃን ጸሓይ፡ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ሙቐት ቀውዒ፡ከይተረበሽኩ ኽጸንሕ፡ ነታ ቐዋሚት ቦታይ ክጥምታ* እየ። 5 ከመይሲ፡ ቅድሚ ቐውዒ፡ምዕምባብ ምስ ተወድአ፡ እቲ ዕምባባ ድማ ዚበስል ወይኒ ምስ ኰነ፡እቲ ጨናፍር ብገዘሞታት ኪቝረጽ፡መጠንጠን ሓረግ ከኣ ኪጽልጸልን ኪውገድን እዩ። 6 ኵሎም ንኣሞራታት ኣኽራንንንእንስሳታት ምድርን ኪዀኑ እዮም። ኣሞራታት ኣባታቶም ኪሓግዩ፡ኵሎም እንስሳታት ምድሪ ድማ ኣባታቶም ኪቕውዑ እዮም። 7 በቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ነዊሕን ልሙጽ ዝቘርበቱን ህዝቢ፡*ኣብ ኵሉ ኻብ ዚፍራህ ህዝቢ፡ካብ ብርቱዕን ዚስዕርን፡*ምድሩ እውን ብኣፍላግ ካብ እተባሕጐጐት ህዝቢ፡ህያብ ናብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ናብታ ስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን+ ኪመጽእ እዩ።” 23 ብዛዕባ ጢሮስ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡+ ዋይዋይ በላ! ወደብሲ ጠፊኡ እዩ፣ ኪእቶ ኣይከኣልን እዩ። ካብ ምድሪ ኪቲም+ ተገሊጹሎም ኣሎ። 2 ኣቱም ነበርቲ ገምገም ባሕሪ፡ ስቕ በሉ። እቶም ባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን+ መሊኦምኺ ኣለዉ። 3 እኽሊ* ሺሖር፡*+ ምህርቲ ኒል፡ ኣታዊኣ፡መኽሰብ ኣህዛብ ኬምጽእ፡+ብልዕሊ ብዙሕ ማያት ከይዱ። 4 ኣቲ ሲዶን፡ ኣቲ ዕርዲ ባሕሪ፡ ሕፈሪ፣ባሕርስ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “ቅልውላው ኣይሓዘንን፡ ኣይወለድኩን ከኣ፣ኣጕባዝ ኣየዕበኹን፡ ኣዋልድ* እውን ኣየዕበኹን።”+ 5 ከምቲ ወረ ግብጺ ምስ ሰምዑ ዝዀንዎ፡+በቲ ወረ ጢሮስ ኪሳቐዩ እዮም።+ 6 ናብ ተርሲስ ተሳገሩ! ኣቱም ነበርቲ ገምገም ባሕሪ፡ ዋይዋይ በሉ! 7 እታ ኻብ ቀደም፡ ካብ ጥንቲ ፍስህቲ ዝነበረት ከተማኹምሲ እዚኣ ድያ፧ ኣእጋራ ኸኣ ኣብኡ ኽትነብር ናብ ርሑቕ ሃገራት ይወስዳኣ ነይረን። 8 ኣብ ልዕሊ እታ ወሃቢት ዘውድታት ዝነበረት፡መሳፍንቲ ዝነጋዶኣ፡ኣብ ኵላ ምድሪ ዚኽበሩ ድማ ዝሸቃጦኣ ጢሮስ፡+እዚ ዝወሰነ መን እዩ፧ 9 ብጽባቐኣ ዘለዋ ትምክሕቲ ኼርክስ፡ነቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚኽበሩ ድማ ኬዋርድ ኢሉ፡+የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ ወሲንዎ። 10 ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ፈለግ ኒል ኴንኪ ምድርኺ ተሳገሪ። ደጊም መዐሸጊ መርከብ* የልቦን።+ 11 ንሱ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡ንመንግስትታት ድማ ኣናዊጽዎም ኣሎ። የሆዋ፡ ዕርድታት ፊንቄ ኺጠፍእ ኣዚዙ ኣሎ።+ 12 “ኣቲ ጭቍንቲ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ሲዶን፡ደጊም ኣይክትፍስህን ኢኺ።+ ተንስኢ፡ ናብ ኪቲም ተሳገሪ።+ ኣብኡ እኳ ዕረፍቲ ኣይክትረኽብን ኢኺ” ድማ ይብል ኣሎ። 13 እንሆ፡ ምድሪ ከለዳውያን።+ እዚ ህዝቢ እዚ እዩ፡—ኣሶር+ ኣይኰነን፡—እወ፡ ንሳቶም ስፍራ ነበርቲ ምድረ በዳ ገይሮምዋ። ግምቢ ኸበባ ኣቚሞም፣ንዓኣ ዑና ገይሮም ድማንእተዓርደ ግምብታታ ጥራዩ ገይሮምዎ።+ 14 ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ዕርድኽን ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ።+ 15 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጢሮስ ከም ዕድመ* ሓደ ንጉስ፡ ን70 ዓመት ክትርሳዕ እያ።+ ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት፡ ከምቲ ኣብ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሃል ክትከውን እያ፦ 16 “ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆ* ውሰዲ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ። መሰንቆኺ ጽቡቕ ጌርኪ ውቕዒ፣ምእንቲ ኺዝክሩኽስ፡ብዙሕ ደርፍታት ድረፊ።” 17 ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት፡ የሆዋ ንጢሮስ ቈላሕታ ኺገብረላ፡ ንሳ እውን ናብ ዓስባ ኽትምለስ፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ምስ ዘለዋ ዅለን መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ። 18 መኽሰባን ዓስባን ግና ንየሆዋ እተቐደሰ ኪኸውን እዩ። ዓስባ ነቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቕመጡ ስለ ዚኸውን፡ ንሳቶም ክሳዕ ዚጸግቡ ምእንቲ ኺበልዑን ብሉጽ ክዳውንቲ ምእንቲ ኪኽደኑንሲ፡+ ኣይኪኽዘንን ወይ ኣይኪንበርን እዩ። 34 ኣቱም ኣህዛብ፡ ቅረቡ፣ኣቱም ህዝብታት፡ ኣቕልቡ። ምድርን ንዓኣ መሊእዋ ዘሎን፡ዓለምን ኵሉ ፍርያታን ይስማዕ። 2 ቍጥዓ የሆዋስ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ እዩ፡+ነድሩ ድማ ኣብ ኵሎም ሰራዊቶም እዩ።+ ኬጥፍኦም እዩ፣ንማሕረዲ ኸኣ ኪህቦም እዩ።+ 3 ቅቱላቶም ኪድርበዩ፡ጨና ሬሳታቶም ድማ ኪዓርግ እዩ፣+ኣኽራን ብደሞም ኪመክኩ* እዮም።+ 4 ኵሎም ሰራዊት ሰማያት ኪምህምኑ፡ሰማያት ከኣ ከም ዚጥቕለል መጽሓፍ ኪጥቕለሉ እዮም። ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡ዝቐምሰለ በለስ ድማ ካብ ኦም በለስ ዚረግፍ፡ኵሎም ሰራዊቶም ኪጽምልዉ እዮም። 5 “ሰይፈይሲ ኣብ ሰማያት ክትጥልቂ እያ።+ ኣብ ልዕሊ ኤዶም፡ኣብ ልዕሊ እቲ ንጥፍኣት ዝመጦኽዎ ህዝቢ ኸኣ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።+ 6 የሆዋስ ሰይፊ ኣላቶ፣ ብደም ክትዕለስ እያ። ብስብሒ ኽትሽፈን፡+ብደም ገንሸላትን* ድቤላታትንብስብሒ ዀላሊት ደዓውልን ክትሽፈን እያ። የሆዋስ ኣብ ቦጽራ መስዋእቲ፡ኣብ ምድሪ ኤዶም እውን ዓብዪ ማሕረዲ ኣለዎ።+ 7 ጐባያት ምሳታቶም፡ዝራብዓት ምስቶም ሓያላት ኪወርዱ እዮም። ምድሮም ብደም ክትጥልቂ እያ፣ሓመዶም ከኣ ብስብሒ ኺትርክስ እዩ።” 8 የሆዋስ መዓልቲ ሕነ፡+ንጕዳይ ጽዮን ዓመት ፍዳ ኣላቶ።+ 9 ወሓይዛ* ናብ ዝፍቲ፡ሓመዳ ድማ ናብ ዲን ኪልወጥ፡ምድራ ኸኣ ከም ዚነድድ ዝፍቲ ኪኸውን እዩ። 10 ለይቲ ዀነ መዓልቲ ኣይኪጠፍእን እዩ፣ትካ ድማ ንዘለኣለም ኪዓርግ እዩ። ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም እያ፣ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ሓደ እኳ ብእኣ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 11 ሓሓትን ቅንፍዝን ኪርስተይዋ፡ነዊሕ ዝእዝኖም ጕንጓታትን ኳዃትን ኪነብርዋ እዮም። ኣብ ልዕሊኣ ገመድ መለክዒ ባዶነትንመለክዒ መንደቕ* ምብዳምን ኪዝርግሕ እዩ። 12 ካብቶም ልዑላታ ሓደ እኳ ንንግስና ኣይኪጽዋዕን እዩ፣ኵሎም መሳፍንታ ድማ ከንቱ ኪዀኑ እዮም። 13 ኣብ እተዓርደ ግምብታታ እሾዅ፡ኣብ ዕርድታታ ኸኣ ኣምዐን ኣሻዅ ተኽልን ኪበቍል እዩ። ሰፈር ወኻሩን*+ደምበ ሰገናትን ክትከውን እያ። 14 ኣራዊት ምድረ በዳ ምስ ዚንቅዉ እንስሳታት ኪራኸቡ እዮም፣ጤል በረኻ* ኸኣ ንብጸይታ ኽትጽውዕ እያ። እወ፡ ኣብኣ ጭሩ ለይቲ ኽትሰፍርን መዕረፊ ኽትረክብን እያ። 15 ኣብኣ ተመን ፍላጻ ሰፈራ ኽትገብር፡ እንቋቝሖኣ ድማ ከተውድቕ እያ፣ከተንቍሖምን ኣብ ጽላላ ኽትእክቦምን እያ። እወ፡ ኣብኣ ሽላታት መምስ መዋስብተን ኪእከባ እየን። 16 ኣብ መጽሓፍ የሆዋ ድለዩን ዓው ኢልኩም ኣንብቡን፦ ኣፍ የሆዋ እዩ ኣዚዙ፡መንፈሱ ኸኣ እዩ ኣኪብዎም እሞ፡ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪጐድልን፡ዋላ ሓዲኦም እውን መዋስብቲ ኣይኪስእንን እዩ። 17 ዕጫ ዘውደቐሎም* ንሱ እዩ፣ኢዱ ድማ ነታ እተመደበትሎም ቦታ ለኪዓታ እያ። ንሓዋሩ ኺርስተይዋ፡ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም። 19 ኣንጻር ግብጺ+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ እንሆ፡ የሆዋ ኣብ ፈጣን ደበና ተወጢሑ ናብ ግብጺ ይመጽእ ኣሎ። እቶም ከንቱ ኣማልኽቲ ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ። 2 “ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፣ንሓድሕዶም ኪዋግኡ እዮም፣ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓዉን ምስ ብጻዩን፡ከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ድማ ምስ መንግስቲ ኺዋጋእ እዩ። 3 መንፈስ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺዕውን እዩ፣ንውጥናታ ድማ ክዘርጎ እየ።+ ንሳቶም ከኣ ናብ ከንቱ ኣማልኽቶምን፡ናብ ዓዘምትን ናብ ጠየቕቲ መናፍስትን ናብ ጠንቈልትን ኪጽግዑ እዮም።+ 4 ንግብጺ ናብ ኢድ ተሪር ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፣ጨካን ንጉስ ድማ ኪገዝኦም እዩ”+ ይብል እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 5 ማይ ባሕሪ ኺነቅጽ፡ኣፍላግ ከኣ ኪደርቕን ኪነጽፍን እዩ።+ 6 ኣፍላግ ኪጽይእ እዩ፣መትረባት ኒል ግብጺ ኺውሕድን ኪደርቕን እዩ። ሻምብቆታትን ሰትታትን ኪምሽምሽ እዩ።+ 7 ጥቓ ፈለግ ኒል፡ ኣብ ኣፍ ኒል ዘሎ ኣትክልቲ፡ኵሉ እቲ ኣብ ጥቓ ኒል ብዘርኢ ዚዝራእ ምድሪ+ ኺነቅጽ እዩ።+ ንፋስ ከኣ ኪወስዶ፡ ኣይኪርከብን እውን እዩ። 8 ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ኪሓዝኑ፡እቶም ኣብ ኒል መቝለብ ዓሳ ዚድርብዩ እውን ኪቝዝሙ እዮም፣እቶም መርበቦም ኣብ ማይ ዚዝርግሑ ኸኣ ኪውሕዱ እዮም። 9 እቶም ብእተባዘተ እንጣጢዕ+ ዚዓይዩ፡እቶም ብማእለማ ጻዕዳ ዓለባ ዚገብሩ፡ ኪሓፍሩ እዮም። 10 ኣለምታ ኺጭፍለቑ፡ኵሎም ዕሱባታ ድማ ኪሓዝኑ* እዮም። 11 መሳፍንቲ ጾዓን+ ዓያሹ እዮም። እቶም ጥበበኛታት ኣማኸርቲ ፈርኦን ናይ ዕሽነት ምኽሪ ይህቡ።+ ከመይ ጌርኩም ንፈርኦን፡“ኣነ ወዲ ጥበበኛታት እየ፡ወዲ ናይ ጥንቲ ነገስታት እየ” እትብልዎ፧ 12 ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብዛዕባ ግብጺ ዝወሰኖ ነገር ዚፈልጡ እንተ ዀይኖም፡ ይንገሩኻ። 13 መሳፍንቲ ጾዓን ዓሽዮም፣መሳፍንቲ ኖፍ*+ ተታሊሎም፣ኣሕሉቕ ነገዳታ ንግብጺ ኣስሒቶምዋ። 14 የሆዋ ኣብኣ መንፈስ ዕውንውን ኣፍሲሱላ ኣሎ፣+ከምቲ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ዚብል፡ንግብጺ ኸኣ ኣብ ኵሉ እትገብሮ ኣስሒቶምዋ ኣለዉ። 15 ግብጺ ድማ ርእሲ ዀነ ጭራ፡ ጨንፈር ኰነ ሰቲ* ዚገብሮዝዀነ ዕዮ ኣይኪህልዋን እዩ። 16 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን፡ ኣብ ቅድሚ እታ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ ዜልዕላ እተፍርህ ኢዱ ድማ ራዕራዕ ክትብልን ክትሽበርን እያ።+ 17 ምድሪ ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሸበሪ ኽትኰና እያ። ብሰንኪ እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኦም ዝገበሮ ውሳነ፡ ንሳ ኽትጥቀስ ከላ ኺርዕዱ እዮም።+ 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቋንቋ ከነኣን+ ዚዛረባን ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት እሙናት ከም ዚዀና ዚምሕላን ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኺርከባ እየን። ሓንቲ ኸተማ፡ ከተማ ምፍራስ ክትብሃል እያ። 19 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብጺ ንየሆዋ መሰውኢ፡ ኣብ ዶባ እውን ንየሆዋ ሓወልቲ ኺህሉ እዩ። 20 እዚ ድማ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ምድሪ ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ። ብምኽንያት ጨቈንቶምሲ ናብ የሆዋ ኼእውዩ እዮም፣ ንሱ እውን ዜድሕኖም መድሓንን ዓብይን ኪሰድደሎም እዩ። 21 የሆዋ ንግብጻውያን ኪፍለጠሎም፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሆዋ ኺፈልጥዎ እዮም፣ ንየሆዋ ድማ መስዋእትን መባእን ኬቕርቡሉ፡ መብጽዓ እውን ኪመባጽዑሉን ኪፍጽምዎን እዮም። 22 የሆዋ ንግብጺ ኺወቕዓ፡+ ኪወቕዓ እሞ ኬሕውያ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ የሆዋ ኺምለሱ፡ ንሱ እውን ንልማኖኦም ኪምልሰሎምን ኬሕውዮምን እዩ። 23 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ዚወስድ ጐደና+ ኺህሉ እዩ። ሽዑ፡ ኣሶር ናብ ግብጺ፡ ግብጺ እውን ናብ ኣሶር ክትመጽእ እያ፣ ግብጺ ኸኣ ምስ ኣሶር ሓቢራ ንኣምላኽ ከተገልግል እያ። 24 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እስራኤል ንግብጽን ንኣሶርን+ ሳልሰይተን፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ክትከውን እያ። 25 የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ፡ “ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኣእዳወይን እስራኤል ርስተይን ይባረኻ” ኢሉ ኺባርኸን እዩ።+ 58 “ብምሉእ ጐረሮኻ ጨድር፣ ርእስኻ ኣይትግታእ! ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል። ንህዝበይ ዕልወቶም፡ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።+ 2 ያኢ ጽድቂ ኸም ዚገብርንፍትሒ ኣምላኹ ኸም ዘይሓደገን ህዝብስ፡+መዓልቲ መዓልቲ ይደልዩኒ፡መገድታተይ ኪፈልጡ ደስ ከም ዚብሎም ከኣ ይገልጹ። ቅኑዕ ፍርድታት ደልዮም ይሓትቱኒ፣ናብ ኣምላኽ ምቕራብ እውን ደስ ይብሎም፦+ 3 ‘ክንጸውም ከለና ስለምንታይ ዘይረኣኻና፧+ ርእስና* ኸነሕስም ከለናኸ ስለምንታይ ዘየስተብሃልካልና፧’+ ስለምንታይሲ፡ ብመዓልቲ ጾምኩም፡ ጥቕሚ* ርእስኹም ኢኹም እትደልዩ፣ንሸቃሎኹም ከኣ ትጭቍኑ።+ 4 ጾምኩም ብቘየቛን ብባእስን ይውዳእ፣ብሕሱም ጕስጢ ድማ ትወቕዑ። ከምዚ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም ጌርኩም እናጾምኩምሲ፡ ድምጽኹም ኣብ ሰማይ ኣይስማዕን እዩ። 5 እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾም ከምዚ ድዩ፧ ከምታ ሰብ ንርእሱ* ዜሕስመላ መዓልቲ፡ርእሱ ኸም ሰቲ ምድናንንኣብ ማቕን ሓምዅሽትን ምድቃስን ድዩ፧ ነዚ ዲኻ ጾምን ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዓልትን እትብሎ ዘለኻ፧ 6 እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾምሲ እዚ እዩ፦ መቓውሕ እከይ ምልጋስ፡ማእሰርቲ ኣርዑት ምፍታሕ፡+ንጭቍናት ሓራ ምውጻእ፡+ንዅሉ ኣርዑት ምስባር፡ 7 እንጌራኻ ንጥሙይ ምምቃል፡+ንድኻታትን ቤት ንዘይብሎምን ናብ ቤትካ ምእታው፡ዕሩቕ ምስ እትርኢ ምኽዳን፡+ንስጋኻ እውን ዝባንካ ዘይምምላስ እዩ። 8 ሽዑ፡ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኺበርህ፡+ምሕዋይካ እውን ቀልጢፉ ኺበቍል እዩ። ጽድቅኻ ቐቅድሜኻ ኪኸይድ፡ክብሪ የሆዋ ድማ ደጀንካ ኪኸውን እዩ።+ 9 ሽዑ፡ ክትጽውዕ፡ የሆዋ ኸኣ ኪምልስ እዩ፣ከተእዊ፡ ንሱ ኸኣ፡ ‘እነኹ!’ ኪብል እዩ። ንኣርዑት ካብ መንጎኻ እንተ ኣርሒቕካ፡ብኣጻብዕካ ዊጥ ምባልን ክፉእ ምዝራብን እንተ ሓዲግካ፡+ 10 ንጥሙይ እቲ ንስኻ* እትምነዮ እንተ ሂብካዮ፡+ንውጹዕ ድማ እንተ ኣጽጊብካዮ፡*ሽዑ፡ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪበርህ፡ድነኻ እውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።+ 11 የሆዋ ወትሩ ኺመርሓካ፡ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ኬጽግበካ* እዩ፣+ንኣዕጽምትኻ ኼበርትዖ፡ንስኻ ድማ ማይ ከም ዝመልኦ ስፍራ ኣታኽልቲ፡+ማዩ ኸም ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ክትከውን ኢኻ። 12 ሳላኻ ነቲ ናይ ጥንቲ ዑናታት ዳግም ኪሃንጽዎ እዮም፣+መሰረታት ዝሓለፈ ወለዶታት ከኣ ክትሕድስ ኢኻ።+ ጸጋኒ ዝፈረሰ መንደቕ፡*+ዓራዪ መንበሪ ዚኸውን መገድታት ተባሂልካ ኽትጽዋዕ ኢኻ። 13 ብምኽንያት ሰንበት፡ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ጥቕሚ* ርእስኻ ኻብ ምስዓብ እንተ ተቘጢብካ፡*+ንሰንበት ከኣ ዓብዪ ደስታ፡ ቅድስቲ መዓልቲ የሆዋ፡ ክትክበር ዘለዋ መዓልቲ ኢልካ እንተ ጸዊዕካያ፡+ጥቕሚ ርእስኻ ኣብ ክንዲ እትስዕብን ከንቱ ቓላት ኣብ ክንዲ እትዛረብን፡ ንዓኣ እንተ ኣኽቢርካያ፡ 14 ሽዑ፡ ብየሆዋ ደስ ኪብለካ እዩ፣ኣነ እውን ኣብ ልዕሊ በረኽቲ ምድሪ ኸወጥሓካ እየ።+ ኣፍ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ካብ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብ ከብልዓካ እየ።”*+ 20 በታ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ንታርታን* ናብ ኣሽዶድ ዝለኣኸላ ዓመት፡ ንሱ ንኣሽዶድ+ ተዋጊኡ ሓዛ።+ 2 በቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ብኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ “ኪድ እሞ ማቕ ካብ ሕቘኻ ኣልግስ፣ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” ኢሉ ተዛረበ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ እሞ፡ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ተመላለሰ። 3 የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “ከምቲ ጊልያይ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ግብጽን+ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን+ ንዚወርድ ምልክትን+ ትእምርትን ኪኸውን ኢሉ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን እተመላለሰ፡ 4 ከምኡ ድማ ንጉስ ኣሶር ንምሩኻት ግብጽን+ ንሕዩራት ኢትዮጵያን፡ ንንኣሽቱን ንኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን ጥራይ መዓኰሮምን ገይሩ፡ ዕርቃን* ግብጺ ቐሊዑ ኺወስዶም እዩ። 5 ብኢትዮጵያ እታ ተስፋኦምን ብግብጺ እታ ሓበኖምን* ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም። 6 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነበርቲ እዚ ገማግም ባሕሪ እዚ፡ ‘እታ ረድኤት ደሊና ኻብ ንጉስ ኣሶር ክንናገፍ ዝሃደምናላ ተስፋና እንታይ ከም ዝዀነት ርኣዩ! ሕጂ ደኣ ኸመይ ጌርና ኸነምልጥ ኢና፧’ ኪብሉ እዮም።” 3 እንሆ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ፡ኵሉ ዓይነት ደገፍን ቀረብን፡ኵሉ ደገፍ እንጌራን ማይን ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን የርሕቕ ኣሎ።+ 2 ጅግናን ተዋጋእን፡ፈራድን ነብይን፡+ ጠንቋልን ሽማግለን፡ 3 ሓለቓ ሓምሳን+ ክቡርን ኣማኻርን፡ክኢላ ገባር ስሒርን ክኢላ ዓዛምን+ እውን የርሕቕ ኣሎ። 4 ቈልዑ መሳፍንቶም ክገብር እየ፣ዘይጽኑዓት* ድማ ኪገዝእዎም እዮም። 5 እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ሓደ ነቲ ሓደ፡ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኺጭቍኖ እዩ።+ ቈልዓ ንኣረጊት ኬጥቅዖ፡ቀሊል ድማ ንኽቡር ኪደፍሮ እዩ።+ 6 ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኺሕዞ እሞ፡“ባርኖስ ኣሎካ፣ ኣዛዚና ኹን። ሓላፊ እዚ ዅምራ ዑናታት ኩን” ኪብሎ እዩ። 7 በታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ ንሱ ኺኣቢ፡“ዘናን ቍስልኻ* ኣይከውንን እየ፣ኣብ ቤተይ እንጌራ ዀነ ኽዳን የብለይን። ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ ኣዛዚ ኣይትግበረኒ” ኺብል እዩ። 8 ብቓሎምን ብግብሮምን ኣንጻር የሆዋ ስለ ዝዀኑስ፡የሩሳሌም ተዓንቂፋ፡ይሁዳ ድማ ወዲቓ ኣላ፣ኣብ ቅድሚ ኽብሩ* ተዳፊሮም እዮም።+ 9 ትርኢት ገጾም ኣንጻሮም ይምስክር ኣሎ፣ንሓጢኣቶም ድማ ከም ሶዶም የውርይዎ ኣለዉ፣+ኪሓብእዎ ኣይፍትኑን እዮም። ኣብ ርእሶም ጥፍኣት የምጽኡ ኣለዉ እሞ፡ ወይለኦም!* 10 ንጻድቃን፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም ንገርዎም፣ከምቲ ግብሮም ዓስቢ ኺረኽቡ እዮም።*+ 11 ንእኩይሲ ወይለኡ! ከም ግብሪ ኣእዳዉ ኺፍደ እዩ እሞ፡መዓት ኪወርዶ እዩ! 12 ንህዝበይሲ ኣዕየይቶም ይሃስይዎም፣ኣንስቲ ኸኣ ይገዝኣኦም። ኣታ ህዝበይ፡ መራሕትኻ የስሕቱኻ፡ኣንፈት መገድትታትካ ድማ ከም ዘይልለ ይገብሩ።+ 13 የሆዋ ኪኸስስ ይቐውም ኣሎ፣ንህዝብታት ኪፈርዶም ከኣ ይትንስእ ኣሎ። 14 የሆዋ ነቶም ዓበይትን መሳፍንትን ህዝቡ ኺፈርዶም እዩ። “ንስኻትኩም ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንዲድኩም፣ካብ ድኻ ዝሰረቕኩምዎ ድማ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ።+ 15 ንህዝበይ እትጭፍልቕዎ፡ገጽ ድኻታት ኣብ ሓመድ እትደቝሱስ ክንደይ ትደፍሩ፧”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 16 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣዋልድ ጽዮን ተዓብየን፡ርእሰን ልዕል ኣቢለን* ይኸዳ፡ብኣዒንተን እናተዃሸማ ሸነን ይብላ፡ኣምባር እግረን ሽዋሕዋሕ የብላ እየን እሞ፡ 17 የሆዋ ንርእሲ ኣዋልድ ጽዮን ብሽሕር ኪወቕዖ፡የሆዋ ድማ ንግምባረን ጥራዩ ኺገብሮ እዩ።+ 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንጌጽ ኣምባር እግረን ኪቕንጥጦ እዩ፣ነቲ መእሰር ርእሰንን ወርሒ ዝቕርጹ ስልማትን፡+ 19 ንዅትሻን* ንኣምባር ኢድን ንመጐልበብን፡ 20 ንመዐመምያን ንሰንሰለት እግርን ንመቐነትን፡ንመቐመጥ ሽቱን* ንኽታብን፡* 21 ንቐለቤት ኣጻብዕን ንቐለቤት ኣፍንጫን፡ 22 ወለል ንዚብል ክዳን ጽምብልን ንመደረብታን ንባርኖስን ንማሕፉዳን፡ 23 ንመስትያት ኢድን+ ንኽዳን በፍታን፡*ንመጠምጠምያን ንመጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ። 24 ኣብ ክንዲ ዘይቲ በለሳን፡+ ሕማቕ ጨና፡ኣብ ክንዲ ዕጣቕ፡ ገመድ፡ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ስርሓት ጸጕሪ፡ መላጥ ምዃን፡+ኣብ ክንዲ ኽቡር ክዳን፡ ክዳን ማቕ፡+ኣብ ክንዲ ጽባቐ ድማ፡ ዕላመት ኪኸውን እዩ። 25 ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡ጀጋኑኺ ኸኣ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም።+ 26 ኣፍ ደገታታ ኺሓዝናን ኪጕህያን፡+ንሳ ድማ ዓንያ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።”+ 52 ዘይግዙርን ርኹስን ደጊም ናባኺ ኣይኪኣቱን እዩ እሞ፡+ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ! ንቕሒ! ብርታዐ ልበሲ!+ ኣቲ የሩሳሌም፡ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ፡ ጽቡቕ ክዳውንትኺ ተኸደኒ!+ 2 ኣቲ የሩሳሌም፡ ደሮናኺ ንገፊ፡ ተንስኢ፡ ተቐመጢ። ኣቲ ምርኽቲ ጓል ጽዮን፡ ነቲ ኣብ ክሳድኪ ዘሎ መእሰሪ ፍትሕዮ።+ 3 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ብኸምኡ ተሼጥኩም ኔርኩም፣+ብዘይ ገንዘብ ድማ ክትብጀዉ ኢኹም።”+ 4 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብቲ ቐዳማይ፡ ህዝበይ ኣብኣ ጓና ዀይኑ ምእንቲ ኺነብር፡ ናብ ግብጺ ወሪዱ፣+ድሕርዚ፡ ኣሶር ብዘይ ምኽንያት ጨቊንዎም።” 5 “ኣብዚ ደኣ እንታይ ክገብር እየ፧” ይብል የሆዋ። “ህዝበይሲ ብኸምኡ ተወሲዱ እዩ። እቶም ዚገዝእዎም ብዓወት ይጭድሩ ኣለዉ”+ ይብል የሆዋ፡“ስመይ እውን ወትሩ ምሉእ መዓልቲ ይነዓቕ ኣሎ።+ 6 ስለዚ፡ ህዝበይ ንስመይ ኪፈልጦ እዩ፣+ስለዚ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ዚዛረብ፡ ኣነ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። እንሆ፡ ኣነ እየ!” 7 እቲ ብስራት ዜበስር፡ሰላም ዚእውጅ፡+ዝሓሸ ብስራት ዜበስር፡ድሕነት ዚእውጅ፡ንጽዮን፡ “ኣምላኽኪ ነጊሱ!” ዚብልሲ፡+ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ኰን ጽቡቓት እየን!+ 8 ስምዒ! ሓለውትኺ ድምጾም ዓው የብሉ። የሆዋ ንጽዮን ኪመልሳ ኸሎ ብንጹር* ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ብሓደ እልል ይብሉ። 9 ኣትን ዑናታት የሩሳሌም፡ ተሓጐሳ፡ ብሓደ እልል በላ፣+የሆዋስ ንህዝቡ ኣጸናኒዕዎ፡+ ንየሩሳሌም ከኣ ተበጅይዋ ኣሎ።+ 10 የሆዋ ነቲ ቕዱስ ቅልጽሙ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሎም ኣህዛብ ቀሊዕዎ ኣሎ፣+ኵሉ ወሰናት ምድሪ፡ ግብርታት ድሕነት* ኣምላኽና ኺርኢ እዩ።+ 11 ርሓቑ፡ ርሓቑ፡ ካብኡ ውጹ፡+ ርኹስ ኣይትተንክዩ!+ ኣቱም ኣቕሑ የሆዋ እትጾሩ ዘለኹም፡+ካብ ማእከላ ውጹ፡+ ንጹሃት ኩኑ። 12 የሆዋ ቐቅድሜኹም ኪኸይድ፡+ኣምላኽ እስራኤል ድማ ደጀንኩም ኪኸውን እዩ እሞ፡+ብስምባድ ኣይክትነቕሉን ኢኹም፣ኣይክትሃድሙን እውን ኢኹም። 13 እንሆ፡ ጊልያይ+ ብልቦና ኺገብር፡ክብ ኪብል፡ኪብርኽን ኣዝዩ ልዕል ኪብልን እዩ።+ 14 ከምቲ ብዙሓት ንዕኡ ተገሪሞም ዝጠመትዎ፡—ትርኢቱስ ካብ ናይ ካልእ ሰብ፡እቲ ምዕሩግ መልክዑ ድማ ካብ ናይ ወዲ ሰብ ብዝያዳ ተጸይቑ እዩ፡— 15 ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ኬደንጽዎም እዩ።+ ነገስታት ዘይተነግሮም ኪርእዩ፡+ዘይሰምዕዎ ድማ ኪሓስቡ እዮም እሞ፡ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ኪዓጽዉ* እዮም።+ 24 እንሆ፡ የሆዋ ነታ ምድሪ* ጥራያ ይገብራን የባድማን ኣሎ።+ ይግልብጣን*+ ንነበርታ ፋሕ የብሎምን ኣሎ።+ 2 ንዅሉ ሕደ ኪኸውን እዩ፦ ንህዝቢ ዀነ ንኻህን፡ንጊልያ ዀነ ንጐይታኡ፡ንገረድ ኰነ ንእመቤታ፡ንዓዳጊ ዀነ ንሸያጢ፡ንኣለቃሒ ዀነ ንተለቃሒ፡ንኣዋዲ ዀነ ንተኣዋዲ ሕደ ኪኸውን እዩ።+ 3 እታ ምድሪ ጠሪሳ ጥራያ ኽትከውን እያ፣የሆዋ እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ጠሪሳ ኽትዝመት እያ።+ 4 እታ ምድሪ ትሓዝንን*+ ትማስንን ኣላ። እታ ፍርያም ምድሪ ትነቅጽን ትጽምሉን ኣላ። ምርኡያት ህዝቢ እታ ምድሪ ይነቕጹ ኣለዉ። 5 ሕግታት ዕሽሽ ኢሎም፡+ስርዓታት ለዊጦም፡+ነቲ ነባሪ* ኺዳን ከኣ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡+እታ ምድሪ ብነበርታ ተበኪላ ኣላ።+ 6 ስለዚ፡ መርገም ነታ ምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፣+እቶም ነበርታ ድማ በደልቲ እዮም። ስለዚ፡ ነበርቲ እታ ምድሪ ነክዮም፡ኣዝዮም ሒደት ሰባት ከኣ ተሪፎም ኣለዉ።+ 7 ጕዕሽ ወይኒ ይሓዝን፡* ተኽሊ ወይኒ ይነቅጽ ኣሎ፣+ኵሎም እቶም ሕጉስ ዝልቦም ድማ እህህ ይብሉ ኣለዉ።+ 8 ሓጐስ ከበሮ ኣቋሪጹ፡ጫውጫውታ ፈንጠዝቲ ተወዲኡ፡ዜሐጕስ ደሃይ መሰንቆ* ኣቋሪጹ ኣሎ።+ 9 ብዘይ ደርፊ፡ ወይኒ ይሰትዩ፡ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ንዚሰትይዎ ይመርሮም። 10 እታ እተጠንጠነት ከተማ ፈሪሳ፣+ሓደ እኳ ኸይኣቱስ፡ ኵሉ ቤት ተዓጽዩ እዩ። 11 ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ጐደናታት ይጭድሩ ኣለዉ። ኵሉ ታሕጓስ ጠፊኡ ኣሎ፣ሓጐስ እታ ምድሪ ርሒቑ ኣሎ።+ 12 እታ ኸተማ ዓንያ ተሪፋ፣እቲ ኣፍ ደገ ተሰባቢሩስ ኵምራ ዑናታት ኰይኑ ኣሎ።+ 13 ኣብታ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታትሲ፡ከምቲ ኦም ኣውልዕ ምስ ተወቕዐ፡+ከምቲ ምእካብ ፍረ ወይኒ ምስ ተወድአ ዚህሉ ቐሪም ኪኸውን እዩ።+ 14 ድምጾም ኬልዕሉ፡እልል እውን ኪብሉ እዮም። ካብ ባሕሪ* ብዛዕባ ግርማ የሆዋ ኺእውጁ እዮም።+ 15 ስለዚ፡ ንየሆዋ ኣብ ዞባ ብርሃን* ኬኽብርዎ እዮም፣+ኣብ ደሴታት ባሕሪ ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬኽብርዎ እዮም።+ 16 “ክብሪ* ነቲ ጻድቕ!”+ ዚብል መዝሙራት ካብ ወሰናት ምድሪ ንሰምዕ ኣለና። ኣነ ግና፡ “ማህሚነ፡ ማህሚነ! ወይለይ! እቶም ጠለምቲ ይጠልሙ ኣለዉ፣እቶም ጠለምቲ ብጥልመት ይጠልሙ ኣለዉ” እብል ኣለኹ።+ 17 ኣታ ነባሪ እታ ምድሪ፡ ሽበራን ጐዳጕድን መጻወድያታትን ይጽበየካ ኣሎ።+ 18 ካብ ደሃይ ሽበራ ዚሃድም፡ ናብ ጕድጓድ ኪወድቕ፡ካብ ጕድጓድ ዚወጽእ ድማ፡ ብመጻወድያ ኺትሓዝ እዩ።+ ከመይሲ፡ መሳዅቲ ላዕሊ ኪኽፈት፡መሰረታት እታ ምድሪ እውን ኬንቀጥቅጥ እዩ። 19 እታ ምድሪ ተገማሚዓ፡እታ ምድሪ ተናዊጻ፡እታ ምድሪ ኣመና ፈጥፈጥ ትብል ኣላ።+ 20 እታ ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ከም ጎጆ ብንፋስ ድማ ሰሰው ትብል ኣላ። ኣበሳኣ ኸቢድዋ ኣሎ፣+ክትወድቕ፡ መሊሳ እውን ኣይክትትንስእን እያ። 21 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ቘላሕታኡ ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ላዕሊ ሰራዊት ኪገብር፡ኣብ ምድሪ ናብ ዘለዉ ነገስታት ምድሪ እውን ኪገብር እዩ። 22 ከምቲ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ዚእከቡ፡ብሓባር ኪእከቡ፡ኣብ ቤት ማሕቡስ ከኣ ኪዕጸዉ እዮም፣ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ቈላሕታ ኺግበረሎም እዩ። 23 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮንን+ ኣብ የሩሳሌምን ነጊሱ፡+ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝቡ* ድማ ከቢሩ እዩ እሞ፡+ምልእቲ ወርሒ ኽትሓፍር፡እትበርህ ጸሓይ ድማ ክትሓንኽ እያ።+ 32 እንሆ፡ ንጉስ+ ምእንቲ ጽድቂ ኺነግስ እዩ፣+መሳፍንቲ እውን ምእንቲ ፍትሒ ኺገዝኡ እዮም። 2 ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡*ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ፡*ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ፡+ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ። 3 ሽዑ፡ ኣዒንቲ እቶም ዚርእዩ፡ ደጊም ኣይኪዕመታን፡ኣእዛን እቶም ዚሰምዑ ኸኣ፡ ኬቕልባ እየን። 4 ልቢ እቶም ርቡጻት ብዛዕባ ፍልጠት ኣጸቢቑ ኺሓስብ፡ወታእ ልሳን ድማ ብምልከትን ብንጹርን ኪዛረብ እዩ።+ 5 ዓሻስ ደጊም ለጋስ ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን፡ስዲ ኸኣ ልዑል ኣይኪብሃልን እዩ፣ 6 ዓሻስ ዕሽነት ኪዛረብ እዩ፣ክሕደት ኬስፋሕፍሕ፡* ኣንጻር የሆዋ ፋሉል ዘረባ ኺዛረብ፡ንጥሙይ ከየብልዕ፡*ንጽሙእ ድማ መስተ ኪኸልእ ኢሉ፡ልቡ ጕድኣት ኪምህዝ እዩ።+ 7 ሜላታት ስዲ፡ ክፉእ እዩ፣+ንውጹዕ ብሓሶት ኬጥፍኦስ፡+ዋላ እኳ ድኻ ቕኑዕ ምስ ተዛረበ፡ንሱ ዜሕፍር ተግባር የስፋሕፍሕ። 8 ለጋስ* ግና ብዛዕባ ልግሲ ይሕልን፣ብልግሲ ኸኣ ኪጸንዕ ይጽዕር። 9 “ኣትን ሸለልተኛታት፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ! ኣትን ቅሱናት ኣዋልድ፡+ ናብቲ ዝብለክን ኣድህባ! 10 ወይኒ ዚእረየሉ ግዜ ኣብ ዚውድኣሉ እዋን፡ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣይኪእከብን እዩ እሞ፡+ኣትን ቅሱናት፡ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትታትን ከተንፈጥፍጣ ኢኽን። 11 ኣትን ሸለልተኛታት፡ ራዕራዕ በላ! ኣትን ቅሱናት፡ ኣንፈጥፍጣ! ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፣ኣብ ሓቛቝኽን ድማ ማቕ ተዓጠቓ።+ 12 ብዛዕባ እቲ ተባሃጊ ግራውትን ፍርያም ኣትክልቲ ወይንንደረትክን እናወቓዕክን ኣልቅሳ። 13 ምድሪ ህዝበይሲ፡ ብእሾዅን ብዳንዴርን ክትክደን እያ፣ንዅሉ ኣባይቲ ሓጐስ ኪኸድኖ፡እወ፡ ንኸተማ ፍስሃ ኪኸድና እዩ።+ 14 እቲ እተዓርደ ግምብስ ተጠንጢኑ እዩ፣እታ ጫውጫው እትብል ከተማ ተሓዲጋ እያ።+ ዖፌልን+ ግምቢ ዘብዐኛን ንሓዋሩ ዝባደመ ዀይኑ፡መደሰቲ ኣድጊ በረኻንመጓሰዪ መጓሰን ኰይኑ፡+ 15 ካብ ላዕሊ መንፈስ ክሳዕ ዚፈስሰና፡+እቲ በረኻ ድማ ግራት ፍረታት ክሳዕ ዚኸውን፡እቲ ግራት ፍረታት ከኣ ከም ዱር ጌርካ ኽሳዕ ዚቝጸር፡ ከምኡ ዀይኑ ኣሎ።+ 16 ሽዑ፡ ፍትሒ ኣብ በረኻ ኺነብር፡ጽድቂ እውን ኣብ ግራት ፍረታት ኪቕመጥ እዩ።+ 17 ውጽኢት ናይ ሓቂ ጽድቅስ ሰላም፡+ፍረ ናይ ሓቂ ጽድቂ ድማ ነባሪ ህድኣትን ደሓንን ኪኸውን እዩ።+ 18 ህዝበይ ኣብ ሰላማዊ መንበሪ፡ደሓን ኣብ ዘለዎ መንበርን ህድኣት ኣብ ዘለዎ መዕረፍን ኪቕመጥ እዩ።+ 19 ግናኸ፡ ዱር ብበረድ ለጥ ኪብል፡እታ ኸተማ ኸኣ ፈጺማ ሰጣሕ ክትከውን እያ። 20 ኣቱም ኣብ ጥቓ ዅሉ ማያት እትዘርኡ፡ንብዕራይን ንኣድግን እውን እትፍንዉ፡ ሕጉሳት ኢኹም።”+ 7 ብዘመን ኣሓዝ+ ወዲ ዮታም ወዲ ዑዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ደየቡ፣ ኪሕዛ ግና ኣይከኣለን።*+ 2 ንቤት ዳዊት ከኣ፡ “ሶርያ ሓይልታቱ ምስ ኤፍሬም ኣሕቢሩ” ዚብል ወረ ተነግሮ። ከምቲ ብንፋስ ዚናወጽ ኣእዋም ዱር ከኣ፡ ልቢ ኣሓዝን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ። 3 ሽዑ፡ የሆዋ ንኢሳይያስ ከምዚ በሎ፦ “በጃኻ ንስኻ ምስ ወድኻ ሸኣር-ያሹብ፡*+ ንኣሓዝ ክትረኽቦ ውጻእ፣ ኣብ ወሰን መትረብ እቲ ጥቓ ጐደና ግራት ሓጻባይ ዘሎ ላዕለዋይ ሓጽቢ+ ኣሎ። 4 ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፡ ህዳእ። በዞም ክልተ ቝራጽ ዚተክኽ እያድ፡ ብነዳዲ ቝጥዓ ረጺንን ሶርያን ወዲ ረማልያን+ ኣይትፍራህ፡ ልብኻ እውን ኣይጃጁ። 5 ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ኪጐድኡኻ ውዲት ኣሊሞምሲ፡ 6 “ኣንጻር ይሁዳ ንደይብ እሞ ነዕንዋን* ንስዓራን፣* ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብኣ ነንግሶ” ይብሉ ኣለዉ።+ 7 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣይኪሰልጥን፡ኣይኪኸውንን እውን እዩ። 8 ርእሲ ሶርያስ ደማስቆ፡ርእሲ ደማስቆ ድማ ረጺን እዩ። ኣብ ውሽጢ 65 ዓመት ከኣ፡ኤፍሬም ጠሪሱ ኺሕምሸሽ፡ ከም ህዝቢ እውን ኣይኪኸውንን እዩ።+ 9 ርእሲ ኤፍሬምሲ ሰማርያ፡+ርእሲ ሰማርያ ድማ ወዲ ረማልያ እዩ።+ ብጽኑዕ እንተ ዘይኣሚንኩም፡ኣይክትጸንዑን ኢኹም።”’” 10 የሆዋ ኸኣ ቀጺሉ ንኣሓዝ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 11 “ካብ የሆዋ ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፣+ ከም መቓብር* ዓሚቝ፡ ወይ ከም ሰማይ ልዑል ኪኸውን ይኽእል እዩ።” 12 ኣሓዝ ግና፡ “ኣይልምንን፡ ንየሆዋ ኸኣ ኣይፍትኖን እየ” በለ። 13 ሽዑ፡ ኢሳይያስ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ቤት ዳዊት፡ በጃኹም ስምዑ። ትዕግስቲ ሰብ ምፍታንኩም ከይኣኽለኩምሲ፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ እውንዶ ኽትፍትኑ ኢኹም፧+ 14 ስለዚ፡ የሆዋ ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፦ እንሆ፡ ጓል ክትጠንስ፡ ወዲ እውን ክትወልድ እያ፣+ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል*+ ክትሰምዮ እያ። 15 ክፉእ ምእባይን ጽቡቕ ምሕራይን ኣብ ዚፈልጠሉ ግዜ፡ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ። 16 እቲ ቘልዓ፡ ክፉእ ምእባይን ጽቡቕ ምሕራይን ቅድሚ ምፍላጡስ፡ ምድሪ እቶም ዜርዕዱኻ ኽልተ ነገስታት ጠሪሳ ኽትሕደግ እያ።+ 17 የሆዋ ንንጉስ ኣሶር ኬምጽኦ እዩ እሞ፡+ ካብታ ኤፍሬም ካብ ይሁዳ እተፈልየላ መዓልቲ ኣትሒዙ+ ኸምኡ ዝበለ መጺኡ ዘይፈልጥ ግዜ ኣንጻርካን ኣንጻር ህዝብኻን ኣንጻር ቤት ኣቦኻን ኬምጽእ እዩ። 18 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣብ ወሰን ወሓይዝ ኒል ግብጺ ንዘለዉ ጽንጽያታትን ኣብ ምድሪ ኣሶር ንዘለዉ ኣናህብን ኬፋጽየሎም እዩ፣ 19 ንሳቶም ድማ ኵላቶም ኪመጹ እሞ፡ ኣብ ኣጻድፍ ስንጭሮታትን* ኣብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ኣብ ኵሉ ማይ ዚሰቲ ቦታታትን ኪሰፍሩ እዮም። 20 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በቲ ኻብ ዞባ እቲ ፈለግ* እተኻረዮ መላጸ፡ ማለት ብንጉስ ኣሶር፡+ ንርእስን ንጸጕሪ እግርን ኪላጺ እዩ፣ ንጭሕሚ እውን ኪሰድዶ እዩ። 21 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ካብ ከብቲ ሓንቲ ኣርሕን ክልተ በጊዕን ብህይወት ኬጽንሕ እዩ። 22 ካብ ብዝሒ ጸባ እተላዕለ ድማ፡ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ፣ ኣብታ ምድሪ ዚተርፍ ኵሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ። "23 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ 1,000 ብሩር ዝዋጋኡ 1,000 ተኽሊ ወይኒ ኣብ ዝነበሮ ዘበለ ዅሉ፡ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን ጥራይ ኪኸውን እዩ።" 24 ኵላ እታ ምድሪ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን ክትከውን እያ እሞ፡ ሰባት፡ ቀስትን ፍላጻን ሒዞም ናብኣ ኪኸዱ እዮም። 25 ኵሉ እቲ ብጭዃሮ ዚጸሪ ዝነበረ ኣኽራን ከኣ፡ ካብ ፍርሂ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን እተላዕለ ጥቓኡ ኣይክትከይድን ኢኻ፣ ኣብዑር ዚበልዑሉን ኣባጊዕ ዚረግጽዎን ኪኸውን እዩ።” 48 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ኣቱም ብስም እስራኤል እትጽውዑ፡+ካብ ማያት ይሁዳ ኸኣ ዝወጻእኩም፡*ኣቱም ብስም የሆዋ እትምሕሉ፡+ብሓቅን ብጽድቅን ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ንኣምላኽ እስራኤል እትጽውዑ፡ እዚ ስምዑ።+ 2 በታ ቕድስቲ ኸተማስ ይጽውዑ፡+ደገፍ እቲ ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝዀነኣምላኽ እስራኤል ድማ ይደልዩ።+ 3 “እቲ ዝቐደመ፡* ጥንቲ ነጊረኩም እየ። ካብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ፣ኣነ ኸኣ ኣስሚዐ።+ ብሃንደበት ገይረ፡ መጺኡ ድማ።+ 4 ነቓጽ ምዃንካ ስለ ዝፈልጥ፡—ክሳድካስ ጅማት ሓጺን፡ ግምባርካ እውን ነሓሲ እዩ፡+— 5 ጥንቲ ነጊረካ። ‘ጣኦተይ እዩ ነዚ ዝገበሮ፣ጽሩብ ምስለይን ፍሱስ ምስለይን እዩ ነዚ ዝኣዘዞ’ ኸይትብልሲ፡ቅድሚ ምምጻኡ፡ ኣስሚዐካ። 6 ነዚ ዅሉ ሰሚዕካዮን ርኢኻዮን ኢኻ። ብዛዕባኡስ ኣይትነግሩን ዲኹም፧+ ካብ ሕጂ ኣትሒዘ ሓድሽ ነገር፡ዘይፈለጥካዮ እተሓለወ ምስጢራት ከስምዓካ እየ።+ 7 ሕጂ እተፈጥረ እዩ እምበር፡ ጥንቲ ኣይኰነን፣‘እንሆ፡ እፈልጦ እየ’ ኸይትብልሲ፡ቅድሚ ሎሚ ዘይሰማዕካዮ ነገር እዩ። 8 ኣይሰማዕካን፡+ ኣይፈለጥካን፡ኣእዛንካ እውን ኣብ ዝሓለፈ ኣይተኸፍታን። ኣዚኻ ጠላም ምዃንካ፡+ካብ እትውለድ ድማ ኣባሲ ኸም እተብሃልካ እፈልጥ እየ።+ 9 ምእንቲ ስመይ ግና ቍጥዓይ ክዓግት እየ፣+ምእንቲ ውዳሰይ ከኣ ርእሰይ ክገትእ፡ኣይከጥፍኣካን እውን እየ።+ 10 እንሆ፡ ኣጽርየካ፣ ግናኸ፡ ከም ብሩር ኣይኰነን።+ ኣብ እቶን ጸበባ ፈቲነካ።*+ 11 ምእንታይ፡ ምእንታይ ኢለ ኽገብር እየ፣+ከመይ ኢለ እሞ እየ ንርእሰይ ይርከስ ዝሓድጎ፧+ ክብረይ ንኻልእ ኣይህብን እየ።* 12 ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ ዝጸዋዕኩኻ እስራኤል፡ ስምዓኒ። ኣነ ወትሩ ኣነ እየ።+ ቀዳማይ ኣነ እየ፣ ዳሕራይ እውን ኣነ እየ።+ 13 ኢደይ ንምድሪ ሰሪታታ፣+የማነይቲ ኢደይ ከኣ ንሰማያት ዘርጊሓቶ።+ ምስ ዝጽውዖም፡ ብሓደ ይቘሙ። 14 ኵላትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ። ካባታቶምሲ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧ የሆዋ ኣፍቂርዎ እዩ።+ ኣብ ባቢሎን ደስ ዝበሎ ኺገብር እዩ፣+ቅልጽሙ ኸኣ ኣንጻር ከለዳውያን ክትከውን እያ።+ 15 ኣነ ባዕለይ ተዛሪበ፡ ኣነ እውን ጸዊዐዮ።+ ኣነ ኣምጺአዮ፡ መገዱ ድማ ኪቐንዓሉ እዩ።+ 16 ናባይ ቅረቡ፡ እዚ ኸኣ ስምዑ። ካብ መጀመርታ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን።+ ካብቲ ዝዀነሉ ግዜ ኣትሒዘ ኣብኡ ነይረ።” ሕጂ ድማ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንዓይን ንመንፈሱን* ልኢኹ ኣሎ። 17 የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡+በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡+ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ። 18 ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን!+ ሽዑ፡ ሰላምካ ኸም ፈለግ ምዀነ፡+ጽድቅኻ ድማ ከም ማዕበላት ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።+ 19 ዘርእኻ ኸም ሑጻ ዝምብዛሖም፡ውሉዳትካ ድማ ከም ድበት ምዀኑ ነይሮም።+ ስሞም ከቶ ኣይምተመንቈሰን፡ ወይ ካብ ቅድሜኻ ኣይምጠፍአን ነይሩ።” 20 ካብ ባቢሎን ውጹ!+ ካብ ከለዳውያን ህደሙ! ብእልልታ ንገሩ! ኣውጁ!+ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኣፍልጡ።+ “የሆዋ ንጊልያኡ ያእቆብ ተበጅይዎ።+ 21 ብዝባደመ ቦታታት ኪመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን።+ ካብ ከውሒ ማይ ኣውሓዘሎም፣ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ” በሉ።+ 22 “ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን” ይብል የሆዋ።+ 61 ንዓቃላት* ከበስሮም የሆዋ ስለ ዝቐብኣኒ፡+መንፈስ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እዩ።+ ስቡር ንዝልቦም ክዝንን፡ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ፡ንእሱራት ከኣ ምንቋሕ ዓይኒ ኽእውጅ ልኢኹኒ፣+ 2 ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ* የሆዋንመዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡+ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡+ 3 ንሕዙናት ጽዮን ድማ ከቕርበሎም፡ኣብ ክንዲ ሓምዅሽቲ፡ መጠምጠምያ፡ኣብ ክንዲ ሓዘን፡ ዘይቲ ፍስሃ፡ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂ እውን፡ ክዳን ውዳሰ ኽህቦም ልኢኹኒ። ዓበይቲ ኣእዋም ጽድቂ፡ንኽብሩ* ዚዀኑ ተኽሊ የሆዋ ኺብሃሉ እዮም።+ 4 ናይ ጥንቲ ዑናታት ዳግም ኪሃንጹ፡ቀደም ዝባደመ ቦታታት ኬተንስኡ፡+እተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝባደማ+ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም።+ 5 “መጻእተኛታት ደው ኢሎም ንመጓሰኹም ኪጓስዩ፡ጓኖት+ ድማ ሓረስቶትኩምን ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም።+ 6 ንስኻትኩም ከኣ ካህናት የሆዋ ኽትብሃሉ ኢኹም፣+ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብሉኹም እዮም። ጥሪት ኣህዛብ ክትበልዑ፡+ብዛዕባ ኽብሮም* ድማ ክትምክሑ ኢኹም። 7 ኣብ ክንዲ ሕፍረትሲ፡ ዕጽፊ ግደ ኺህልወኩም እዩ፣ኣብ ክንዲ ውርደት ከኣ፡ ብብጽሒቶም እልል ኪብሉ እዮም። እወ፡ ኣብ ምድሮም ዕጽፊ ግደ ኺርስተዩ እዮም።+ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።+ 8 ኣነ የሆዋስ ፍትሒ እፈቱ፡+ዘመተን ዓመጻን ከኣ እጸልእ እየ።+ ብተኣማንነት ዓስቦም ክህቦም፡ናይ ዘለኣለም ኪዳን ድማ ምሳታቶም ክኣቱ እየ።+ 9 ዘርኦም ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡+ውሉዳቶም ከኣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኪፍለጡ እዮም። ኵሎም እቶም ዚርእይዎም ከኣ፡የሆዋ ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኬለልይዎም እዮም።”+ 10 ብየሆዋ ኣዝየ ኽፍሳህ እየ። ኵለንትናይ ብኣምላኸይ ኪሕጐስ እዩ።*+ ንሱስ ከምቲ መጠምጠምያ ኻህን ዚገብር መርዓዊ፡+ከምታ ብስልማታ እተሰለመት መርዓት፡ብኽዳውንቲ ድሕነት ከዲኑኒ፡+ወለል ብዚብል ክዳን ጽድቂ እውን ኣጐናጺፉኒ ኣሎ። 11 ከምቲ ምድሪ ብቋል እተውጽእ፡ከምቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እውን ኣብኡ እተዘርአ ዜብቍልሲ፡ከምኡ ድማ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ጽድቅን+ ውዳሰን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ ኬብቍል እዩ።+ 45 የሆዋ ንቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡+ነቲ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺግዝኡ ኢለ፡+ንነገስታት ዕጥቆም ከፍትሖም* ኢለ፡እቲ ኣፍ ደገታት ከይዕጾስክልተ ዝኽፋሉ መዓጹ ክኸፍተሉ ኢለ፡ብየማነይቲ ኢዱ ዝሓዝክዎ+ ኸምዚ ይብሎ፦ 2 “ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፡+ንዅርባታት ከኣ ከጣጥሕ እየ። መዓጹ ነሓሲ ኽሰባብር፡ተገዳማት ሓጺን ከኣ ክቘርጽ እየ።+ 3 ብስምካ ዝጽውዓካ ዘለኹ፡+ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ኣብ ጸልማት ዘሎ መዛግብትንኣብ ስቱር ቦታታት ዘሎ ሕቡእ መዛግብትን ክህበካ እየ።+ 4 ምእንቲ ያእቆብ ጊልያይን እስራኤል ሕሩየይን፡ብስምካ እጽውዓካ ኣለኹ። ዘይትፈልጠኒ እኳ እንተ ዀንካ፡ ስም ክብሪ እህበካ ኣለኹ። 5 ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን። ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን።+ ዘይትፈልጠኒ እኳ እንተ ዀንካ፡ ከበርትዓካ* እየ፣ 6 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡*ብዘይካይ ካልእ ከም ዘየልቦምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ከምኡ ኽገብር እየ።+ ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን።+ 7 ብርሃን እገብር፡+ ጸልማት ከኣ እፈጥር፣+ሰላም እገብር፡+ መዓት ድማ እፈጥር፣+ኣነ የሆዋ ነዚ ዅሉ እገብሮ ኣለኹ። 8 ኣቱም ሰማያት፡ ካብ ላዕሊ ዝነሙ፣+ደበናታት ከኣ ጽድቂ የፍስሱ። ምድሪ ትከፈት እሞ ድሕነት ተፍሪ፣ጽድቂ እውን ብሓባር ተብቍል።+ ኣነ የሆዋ ፈጢረዮ እየ።” 9 እቲ ምስ ገባሪኡ* ዚብኣስ፡* ወይለኡ፣ንሱስ ገልዒ፡ኣብ መንጎ ኣጋልዕ ምድሪ እዩ! ካይላዶ ንሰራሕ ካይላ፡* “እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧” ኪብሎ ይግባእ እዩ።+ ዕዮኻዶኸ፡ “ኣእዳው የብሉን” ኪብል ይግባእ እዩ፧* 10 እቲ ንኣቦ፡ “እንታይ ኢኻ እትወልድ፧” ዚብሎ፡ንሰበይቲ ድማ፡ “እንታይ ኢኺ እትወልዲ፧”* ዚብላ፡ ወይለኡ! 11 የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡+ እቲ ዝደኰኖ ኸምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ እቲ ዚመጽእዶ ኽትሓትቱኒ ኢኹም፧ ብዛዕባ ደቀይን+ ግብሪ ኣእዳወይንዶ ኽትእዝዙኒ ኢኹም፧ 12 ንምድሪ ገይረያ፡+ ንሰብ ድማ ኣብኣ ፈጢረዮ።+ ብኣእዳወይ ሰማያት ገቲረ፡+ንሰራዊቶም ከኣ ትእዛዛት ሂበ።”+ 13 “ብጽድቅስ ሰብ ኣተንሲአ፡+ንዅሉ መገዱ ኸኣ ከቕንዖ እየ። ንኸተማይ ዚሰርሓ፡+ብዘይ ዋጋ ወይ ጉቦ+ ንምሩኻተይ ሓራ ዜውጽኦም ንሱ እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 14 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “መኽሰብ* ግብጽን ሸቐጥ* ኢትዮጵያን እቶም ነዋሕቲ ሳባውያንንናባኻ ኺመጽእን ናትካ ኪኸውንን እዩ። ብሰንሰለት ተኣሲሮም ደድሕሬኻ ኪኸዱ እዮም። መጺኦም ኪሰግዱልካ እዮም።+ ‘ብርግጽ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ፣+ካልእ እውን የልቦን፣ ካልእ ኣምላኽ የልቦን’ ኢሎም ናባኻ ኺጽልዩ እዮም።” 15 ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኦ መድሓኒ፡+ብሓቂ ርእስኻ እትሓብእ ኣምላኽ ኢኻ። 16 ኵላቶም ኪሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም፣እቶም ገበርቲ ጣኦታት ብውርደት ኪመላለሱ እዮም።+ 17 እስራኤል ግና ብናይ ዘለኣለም ድሕነት ብየሆዋ ኺድሕን እዩ።+ ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለመ ኣለም ኣይክትሓፍሩን ወይ ኣይክትዋረዱን ኢኹም።+ 18 እቲ ፈጣር ሰማያት፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡እቲ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡+እቲ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ* ኢሉ ዘይፈጠራ+የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ኣነ የሆዋ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን። 19 ኣብ ስቱር ቦታ፡ ኣብ ምድሪ ጸልማት ኣይተዛረብኩን፣+ንዘርኢ ያእቆብ፡‘ንኸንቱ ድለዩኒ’ ኣይበልክዎምን። ኣነ የሆዋ ጽድቂ ዝዛረብን ቅኑዕ ዘበለ ዝነግርን እየ።+ 20 ተኣከቡ፡ ንዑ። ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዘምለጥኩም፡ ብሓደ ቕረቡ።+ እቶም ጽሩብ ምስሊ ዚጾሩንኬድሕን ናብ ዘይክእል ኣምላኽ ዚጽልዩን፡ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።+ 21 ንገሩ፡ ጕዳይኩም ኣቕርቡ። ብሓደ ይማኸሩ። ነዚ ነገር እዚ ቐደም ዘስምዐ፡ካብ ጥንቲ ኸኣ ዝነገረ መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ ደይኰንኩን፧ ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፣ብዘይካይ ጻድቕ ኣምላኽን መድሓንን የልቦን።+ 22 ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ እውን የልቦን እሞ፡+ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዅላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ እሞ ድሓኑ።+ 23 ብርእሰይ ምሒለ እየ፣ቃል ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ፣ኣይኪምለስን ድማ እዩ፦+ ኵሉ ብርኪ ኺምብርከኸለይ፡ኵሉ ልሳን እውን ተኣማንነቱ ኺምሕለለይ፡+ 24 ከምዚ ድማ ኪብል እዩ፦ ‘ብርግጽ ናይ ሓቂ ጽድቅን ብርታዐንሲ ብየሆዋ እዩ። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚንድሩ፡ ሓፊሮም ኣብ ቅድሚኡ ኺመጹ እዮም። 25 ኵሉ ዘርኢ እስራኤል ብየሆዋ ቕኑዕ ኪኸውን፡+ብእኡ እውን ኪምካሕ እዩ።’” 56 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ድሕነተይ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺመጽእ፡ጽድቀይ እውን ኪግለጽ እዩ እሞ፡+ፍትሒ ሓልዉ፡+ ጽድቂ እውን ግበሩ። 2 እዚ ዚገብር ሰብ፡ኣጽኒዑ እውን ዚሕዞ ወዲ ሰብ፡ንሰንበት ዚሕልዋን ዘየርክሳን፡+ኢዱ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ክፉእ ዚሕሉ፡ ሕጉስ እዩ። 3 ምስ የሆዋ ዚሓብር ጓና፡+‘የሆዋ ብርግጽ ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ’ ኣይበል። ስሉብ ከኣ፡ ‘እንሆ፡ ኣነ ንቑጽ ኦም እየ’ ኣይበል።” 4 የሆዋስ ነቶም ንሰናብተይ ዚሕልውዎን ንዓይ ደስ ዚብለኒ ዚሓርዩን ንኺዳነይ ኣጽኒዖም ዚሕዙን ስሉባት ከምዚ ይብል፦ 5 “ንዓታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ መናድቐይንካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ሓወልትን ስምን ክህቦም እየ። ዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ስምክህቦም እየ። 6 እቶም ኬገልግልዎ፡ንስም የሆዋ ኼፍቅሩ፡+ገላዉኡ ድማ ኪዀኑ ኢሎም ምስ የሆዋ ዚሓብሩ ጓኖት፡ኵሎም እቶም ንሰንበት ዚሕልውዋን ዘየርክስዋን፡ኪዳነይ ከኣ ኣጽኒዖም ዚሕዙ፡ 7 ንዓታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡+ኣብ ቤት ጸሎተይ ድማ ከሐጕሶም እየ። እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቶምን መስዋእቲ ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ። ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ።”+ 8 እቲ ተበቲኖም ንዘለዉ እስራኤል ዚእክብ+ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብዘይካ እቶም ተኣኪቦም ዘለዉ፡ ካልኦት ናብኡ ኽእክብ እየ።”+ 9 ኣቱም እንስሳታት መሮር ኵላትኩም፡ኣቱም እንስሳታት ዱር ኵላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ።+ 10 ሓለውቱ ዕዉራት እዮም፣+ ዋላ ሓዲኦም ኣየስተብሃሉን።+ ኵላቶም ዓባሳት፡ ኪነብሑ ዘይክእሉ ኣኽላባት እዮም።+ ይልህልሁን በጥ ይብሉን ኣለዉ፣ ትኻስ ይፈትዉ እዮም። 11 ብርቱዕ ሸውሃት ዘለዎም* ኣኽላባት እዮም፣ከቶ ኣይጸግቡን እዮም። ኣእምሮ ዘይብሎም ጓሶት እዮም።+ ኵላቶም መመገዶም ከዱ፣ነፍሲ ወከፎም ንርእሱ ዘይግቡእ ረብሓ ይደሊ፡ ከምዚ እውን ይብል፦ 12 “ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፣ኣልኮላዊ መስተ ኽሳዕ ዚኣኽለና ንስተ።+ ጽባሕ ከም ሎሚ ኪኸውን፡ አረ ኣዝዩ ዝሓሸ እውን ኪኸውን እዩ!” 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብርግጽ ከምዚ ኽትብል ኢኻ፦ “ኦ የሆዋ፡ ተቘጢዕካኒ እኳ እንተ ነበርካ፡ቍጥዓኻ በብቝሩብ ዝሒሉ፡ንስኻ እውን ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ አመስግነካ።+ 2 እንሆ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ እዩ።+ ያህ* የሆዋ ብርታዐይን ሓይለይን እዩ፡ድሕነተይ ድማ ኰይኑ እዩ እሞ፡+ክእመን፡* ኣይክርዕድን እውን እየ።”+ 3 ካብ ዓይኒ ማያት ድሕነት+ብታሕጓስ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም። 4 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ኽትብሉ ኢኹም፦ “ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፣ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ።+ 5 ዓበይቲ ነገራት ገይሩ እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምሩሉ።*+ እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ። 6 እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ኣቲ ነባሪት* ጽዮን፡ ጨድሪ፡ እልል በሊ።” 1 ኢሳይያስ*+ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ዑዝያን+ ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን፡+ ነገስታት ይሁዳ፡+ ብዛዕባ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ፦ 2 ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፣+የሆዋስ እዚ ተዛሪቡ ኣሎ፦ “ደቂ ኣዕብየን ተኸናኺነን፣+ንሳቶም ግና ካባይ ዓልዮም።+ 3 ብዕራይ ንዓዳጊኡ፡ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ዋናኡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ፣እስራኤል ግና ኣይፈልጠንን፡*+ህዝበይ ከኣ ብኣእምሮ ኣይመላለስን እዩ።” 4 እቶም ሓጥኣን ህዝቢ፡+እቶም ዘርኢ እኩያት፡ ብልሹዋት ደቂ ዝዀኑስሕተት ዝኸበዶም ህዝቢ፡ ወይለኦም! ንየሆዋ ሓዲጎምዎ፣+ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖምዎ፣ዝባኖም መሊሶምሉ። 5 ንዕልወትኩም ምስ ወሰኽኩምሉስ፡ ዚቕጽል ኣበይ ክትውቅዑ ኢኹም፧+ ብዘሎ እቲ ርእሲ ሕሙም እዩ፣ብዘሎ እቲ ልቢ ድማ ድኹም እዩ።+ 6 ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳብ ርእሲ፡ ገለ ጥዑይ የብሉን። ኣቝሳልን ስምብራትን ሓድሽ መቝሰልትን ጥራይ እምበር፡ኣይተሓከመን፡* ወይ ኣይተዘነነን፡ ወይ ብዘይቲ ኣይለስለሰን።+ 7 ምድርኹም ባዲማ። ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን። ጓኖት ንምድርኹም ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዋ ኣለዉ።+ ጓኖት ከም ዝገልበጥዋ ባድም ኰይና እያ።+ 8 ጓል ጽዮን ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ከም ጎጆ ኣብ ግራት ኣጕርሲ፡ከም እተኸብበት ከተማ ዀይና ተሪፋ ኣላ።+ 9 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ሒደት ዚድሕኑ እንተ ዘይሓድገልናስ፡ከም ሶዶም ምዀንና፡ንጎሞራ እውን ምመሰልና ኔርና።+ 10 ኣቱም መለኽቲ* ሶዶም፡ ቃል የሆዋ ስምዑ።+ ኣቱም ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ* ኣምላኽ ጽን በሉ።+ 11 “እቲ ብዙሕ መስዋእትኹም እንታይ ይጠቕመኒ፧”+ ይብል የሆዋ። “ዚሓርር መስዋእቲ ደዓውልኩምን+ ስብሒ ስቡሓትኩምን+ ፍጊዕ ኢሉኒ፣ብደም+ ዝራብዓትን+ ገንሸላትን* ድቤላታትን+ ከኣ ደስ ኣይብለንን እዩ። 12 ኣብ ቅድመይ ክትርኣዩ ምስ እትመጹ፡+ኣጸዳተይ ክትረግጹስ፡+እዚ ኽትገብሩ ዝደለየኩም መን እዩ፧ 13 ከንቱ መስዋእቲ እኽሊ ደጊም ኣይተምጽኡ። ዕጣንኩም ኣባይ ፍንፉን እዩ።+ ሰርቂ ኣዋርሕን+ ሰናብትን+ ጻውዒት ኣኼባታትን፡+—ንስሒር+ ምስ ፍሉይ ኣኼባ ኽዕገሶ ኣይክእልን እየ። 14 ንሰርቂ ኣዋርሕኩምን ንበዓላትኩምን ጸሊአዮ እየ።* ጾር ኰይኑኒ ኣሎ፣ብምጻሩ ደኺመ ኣለኹ። 15 ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ኣዒንተይ ካባኻትኩም ክሓብእ እየ።+ ብዙሕ እኳ እንተ ጸለኹም፡+ኣይሰምዓኩምን እየ፣+ኣእዳውኩም ብደም መሊአን እየን።+ 16 ተሓጸቡ፡ ንጽሁ፣+እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፣ምግባር ክፉእ ሕደጉ።+ 17 ምግባር ጽቡቕ ተምሃሩ፡ ፍትሒ ድለዩ፣+ንጨቋኒ ኣርምዎ፣ንመሰላት ዘኽታም* ተጣበቑ፣ንመበለት ተማጐቱላ።”+ 18 “እምበኣር፡ ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ” ይብል የሆዋ።+ “ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ፣+ከም ድሙቕ ቀይሕ ክዳን እኳ እንተ ዀነ፡ከም ጸምሪ ኪኸውን እዩ። 19 ፍቓደኛታት እንተ ዄንኩምን እንተ ሰሚዕኩምን፡ጽቡቕ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።+ 20 እንተ ኣቢኹምን እንተ ዓሊኹምን ግና፡ኣፍ የሆዋ ተዛሪባ እያ እሞ፡ብሰይፊ ኽትውሓጡ ኢኹም።”+ 21 እታ እምንቲ ኸተማስ+ ከመይ ኰን ኣመንዝራ ዀነት!+ ፍትሒ ዝመልኣ ነበረት፣+ጽድቂ ድማ ኣብኣ ትሓድር ነበረት፣+ሕጂ ግና፡ ቀተልቲ ነፍሲ።+ 22 ብሩርኪ ሓተላ ብረት ኰይኑ፣+ስዋኺ* ብማይ ተጀሊሑ። 23 መሳፍንትኺ ነቓጻትን መሻርኽቲ ሰረቕትን እዮም።+ ነፍሲ ወከፎም ጉቦ ይፈትዉ፡ ደድሕሪ ህያባት ድማ ይጐይዩ።+ ንዘኽታም* ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፣ጕዳይ መበለት ድማ ናባታቶም ከቶ ኣይበጽሕን።+ 24 ስለዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡እቲ ናይ እስራኤል ሓያል ከምዚ ይብል፦ “ወይለኦም! ንተጻረርተይ ከወግዶም እየ፣ኣብ ልዕሊ ጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈዲ እየ።+ 25 ንኢደይ ድማ ኣንጻርኪ ኽመልሳ፡ንሓተላ ብረትኪ ኸኣ ከም ብሳሙና ኸጽርዮ፡ንዅሉ ርስሓትኪ እውን ከወግዶ እየ።+ 26 ንፈራዶኺ መሊሰ ኸም ናይ ቀደም፡ንኣማኸርትኺ ድማ ከም ናይ መጀመርታ ኽገብሮም እየ።+ ድሕርዚ፡ ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትብሃሊ ኢኺ።+ 27 ጽዮን ብፍትሒ፡እቲ ዚምለስ ህዝባ ኸኣ ብጽድቂ እተበጀወ ኪኸውን እዩ።+ 28 ዓለውትን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡+እቶም ንየሆዋ ዚሓድግዎ ድማ ኪውድኡ እዮም።+ 29 በቲ እተመነኹምዎ ገዘፍቲ ኣእዋምሲ ኺሓፍሩ እዮም፣+በቲ ዝመረጽኩምዎ ስፍራ ኣታኽልቲ* እውን ክትዋረዱ ኢኹም።+ 30 ከመይሲ፡ ኣቝጽልቱ ኸም ዝጸምለወ ዓብዪ ኦም፡+ማይ ከም ዘይብሉ ስፍራ ኣታኽልቲ ኽትኰኑ ኢኹም። 31 ሓያል ሰብ ከም ልሕጺ፡*ዕዮኡ ድማ ከም ቍልዒ ሓዊ ኪኸውን እዩ፣ክልቲኡ ብሓደ ኺነድድ እዩ፣ዜጥፍኦ ድማ ሓደ እኳ የልቦን።” 49 ኣትን ደሴታት፡ ስምዓኒ፣ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፡ ኣቕልቡ።+ የሆዋ ኸይተወለድኩ* ጸዊዑኒ።+ ካብ ማሕጸን ኣደይ ኣትሒዙ ስመይ ረቚሑ። 2 ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገይርዎ፣ኣብ ጽላል ኢዱ ሓቢኡኒ።+ ስሑል ፍላጻ ገይሩኒ፣ኣብ ጕልድባኡ እውን ከዊሉኒ። 3 “ኣታ እስራኤል፡ንስኻ ግርማይ ዘርእየሉ ጊልያይ ኢኻ” ኢሉኒ።+ 4 ኣነ ግና፡ “ንባዶ ጽዒረ። ሓይለይ ንብላሽ፡ ንኸንቱ ወዲአ። ፍርደይ ግና ብርግጽ ምስ የሆዋ እዩ።* ዓስበይ ከኣ ምስ ኣምላኸይ እዩ” ኢለ።+ 5 ሕጂ ድማ፡ እቲ ኻብ ማሕጸን ኣትሒዙ ጊልያኡ ገይሩ ዝደኰነኒ የሆዋ፡እስራኤል ናብኡ ኺእከብሲ፡ንያእቆብ ናብኡ ኽመልሶ ኢሉኒ ኣሎ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ክኸብር እየ፣ኣምላኸይ ከኣ ብርታዐይ ኪኸውን እዩ። 6 “ንነገዳት ያእቆብ ንምትንሳእ፡ነቶም ዝተረፉ እስራኤል ድማ ንምምላስ፡ጊልያይ ምዃንካ ኣይኣክልን እዩ። ድሕነተይ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ፡+ብርሃን ኣህዛብ ገይረ እውን ሂበካ ኣለኹ” ድማ ኢሉኒ።+ 7 የሆዋ እቲ ተበጃዊ እስራኤል፡ እቲ ቕዱሱ፡+ ነቲ ንዑቕ፡*+ ነቲ ብኣህዛብ እተፈንፈነ፡ ነቲ ጊልያ ገዛእቲ፡ ከምዚ ይብሎ፦ “ብምኽንያት የሆዋ እቲ እሙን፡+እቲ ዝሓረየካ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡+ነገስታት ኪርእዩን ኪትንስኡን፡መሳፍንቲ ኸኣ ኪሰግዱ እዮም።” 8 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብግዜ ሞገስ* መሊሰልካ፡+ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዲአካ እየ።+ ንሰባት ኪዳን ገይረ ኽህበካ፡ንምድሪ ኽትሕድሳ፡ነቲ ዝባደመ ርስቶም ከተረስትዮም ሓልየካ እየ፣+ 9 እወ፡ ንእሱራት፡ ‘ውጹ!’ ኽትብል፡+ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ፡+ ‘ተርኣዩ!’ ኽትብል፡ ከምኡ ገይረልካ እየ። ኣብ ጥቓ ጐደናታት ኪምገቡ፡ኣብ ጐድኒ መገድታት* ከኣ መጓሰዪኦም ኪኸውን እዩ። 10 እቲ ዚምሕሮም ኪመርሖም፡+ዓይኒ ማያት ብዘለዎ ኣቢሉ ድማ ኪወስዶም እዩ እሞ፡+ኣይኪጠምዩን፡ ኣይኪጸምኡን እዮም፣+ሃሩር ኣይኬንድዶምን እዩ፡ ወይ ጸሓይ ኣይክትወቕዖምን እያ።+ 11 ንዅሉ ኣኽራነይ፡ መገዲ ኽገብሮ፡ንጐደናታተይ ድማ ልዕል ከብሎ እየ።+ 12 እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ፡+እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፡እዚኣቶም ከኣ ካብ ምድሪ ሲኒም ይመጹ ኣለዉ።”+ 13 የሆዋ ንህዝቡ ኣጸናኒዕዎ፡+ንውጹዓቱ ድማ ምሒርዎም እዩ እሞ፡+ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ፣ ኣቲ ምድሪ፡ ተሓጐሲ።+ ኣኽራን ብእልልታ ይተሓጐስ።+ 14 ጽዮን ግና፡“የሆዋ ሓዲጉኒ፡+ የሆዋ ረሲዑኒ”+ ትብል ኣላ። 15 ሰበይቲዶ ንዚጠቡ ውላዳ ኽትርስዕ ትኽእል እያ፧ ንውላድ ማሕጸናዶኸ ኸይትርሕርሓሉ ትኽእል እያ፧ እዘን ኣንስቲ እዚአን እኳ እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓክን እየ።+ 16 እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ቀሪጸኪ ኣለኹ። መካበብያኺ ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኣሎ። 17 ደቅኺ ቐልጢፎም ይምለሱ። እቶም ዘፍረሱኽን ዘጥፍኡኽን ካባኺ ኺርሕቁ እዮም። 18 ኣዒንትኺ ኣልዕሊ እሞ ኣብ ዙርያኺ ጠምቲ። ኵሎም ይእከቡ ኣለዉ።+ ናባኺ ይመጹ ኣለዉ። “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል የሆዋ፡“ንዅላቶም ከም ስልማት ክትክደንዮም፡ከምቲ መርዓት እትገብሮ ኸኣ ክትኣስርዮም ኢኺ። 19 ቦታታትኪ ዝጠፍአን ዝባደመን፡ ምድርኺ ድማ ዝዓነወ እኳ እንተ ነበረ፡+ሕጂ በቶም ኣብኡ ዚቕመጡ ኺጸብብ እዩ፣+እቶም ዝወሓጡኺ+ ኸኣ ኪርሕቁ እዮም።+ 20 ውሉዳት ስኢንኪ ኸለኺ እተወልዱ ደቅኺ፡ እናሰማዕኪ፡‘እዚ ቦታ እዚ ጸቢቡኒ። ክቕመጦስ ኣርሕብለይ’ ኪብሉ እዮም።+ 21 ብልብኺ ድማ፡‘ውሉዳተይ ዝሰኣንኩን መኻንንምርኽትን እስርትን ስለ ዝዀንኩ፡ነዚኣቶም ደኣ መን እዩ ዝወለደለይ፧ መንከ ኣዕብይዎም፧+ እንሆ፡ በይነይ እየ ተሪፈ ነይረ፣+እዚኣቶም ደኣ ካበይ መጺኦም፧’” ክትብሊ ኢኺ።+ 22 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ከልዕል፡ሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ልዕል ከብል እየ።+ ንሳቶም ንኣወዳትኪ ሓቚፎም ኬምጽእዎም፡ንኣዋልድኪ ድማ ኪሕንግርወን እዮም።+ 23 ነገስታት ኣለይትኺ ኪዀኑ እዮም፣+ልዕልትታት ድማ መጕዚታትኪ ኪዀና እየን። ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪ፡+ደሮና ኣእጋርኪ ኸኣ ኪልሕሱ እዮም፣+ንስኺ ድማ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ፣እቶም ብኣይ ተስፋ ዚገብሩስ ኣይኪሓፍሩን እዮም።”+ 24 ካብ ጅግናዶ እተታሕዙ ምውሳድ ይከኣል እዩ፧ ምሩኻት ጨቋኒዶኸ ምንጋፍ ይከኣል እዩ፧ 25 የሆዋ ግና ኸምዚ ይብል፦ “ምሩኻት ጅግና እኳ ኺውሰዱ፡+ብጨቋኒ እተታሕዙ ድማ ኪናገፉ እዮም።+ ንዚጻረሩኺ ኽጻረሮም፡+ንደቅኺ ኸኣ ከድሕኖም እየ። 26 ንዚገፍዑኺ ገዛእ ስጋኦም ከብልዖም እየ፣ከም ብጕዕሽ ወይኒ ድማ፡ ብገዛእ ደሞም ኪሰኽሩ እዮም። ኵሎም ሰባት* ከኣ ኣነ የሆዋ፡መድሓኒኽን+ ተበጃዊኽን፡+እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል+ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”+ 36 ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+ 2 ሽዑ፡ ንጉስ ኣሶር ንራብሳቀ*+ ምስ ብዙሕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ+ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ህዝቅያስ ሰደዶ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጐደና ግራት ሓጻባይ+ ዘሎ መትረብ ላዕለዋይ ሓጽቢ+ ድማ ቈሙ። 3 ሽዑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ናብኡ ወጹ። 4 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “በጃኹም፡ ንህዝቅያስ ከምዚ በልዎ፦ ‘እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “እንታይ መሰረት ስለ ዘሎካ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ፧+ 5 ‘ንውግእ ስልትን ሓይልን ኣሎኒ’ ትብል ኣለኻ፣ እዚ ግና ባዶ ቓላት እዩ። ብመን ተኣሚንካ ኢኻ ኻባይ ክትዓሉ ዝደፈርካ፧+ 6 እንሆ፡ ብደገፍ እዚ ንዚምርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዚኣቱ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዝዀነ ግብጺ ተኣሚንካ ኣለኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጽስ ንዅሎም እቶም ዚእመንዎ ኸምኡ እዩ።+ 7 ‘ብየሆዋ ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና’ እንተ ኢልካኒ ድማ፡ እቲ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ‘ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ’+ ኢሉ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘወገደሉስ+ ንሱ ደይኰነን፧”’ "8 ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ግዳ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፦+ ንስኻ ዚውጥሕዎም ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፡ 2,000 ፈረስ ክህበካ እየ።" 9 ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንምርካብ ኣብ ግብጺ ተኣሚንካ ኸለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብቶም ንኣሽቱ ገላዉ ጐይታይ ንሓደ ሹም እኳ ኽትመልስ እትኽእል፧ 10 ሕጅስ ብዘይ ፍቓድ የሆዋዶ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ እየ፧ የሆዋ ደኣ እዩ፡ ‘ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣ ደዪብካ፡ ኣጥፍኣያ’ ኢሉ ልኢኹኒ።” 11 ሽዑ፡ ኤልያቂምን ሸብናን+ ዮኣሕን ነቲ ራብሳቀ፡+ “ክንሰምዖ ንኽእል ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ንገላዉኻ ብኣራማይስጢ*+ ተዛረበና፣ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።+ 12 እቲ ራብሳቀ ግና፡ “ጐይታይሲ እዚ ቓላት እዚ ንጐይታኻን ንዓኻን ጥራይ ክዛረብ ድዩ ልኢኹኒ፧ ነቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባት እውን ደይኰነን፧” በለ። 13 ሽዑ፡ እቲ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ+ ከምዚ ኢሉ ዓው ኢሉ ጨደረ፦ “ቃል እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።+ 14 ንጉስ ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝቅያስ ኬናግፈኩም ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ኣየታልልኩም።+ 15 ህዝቅያስ ድማ፡ “የሆዋ ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ብየሆዋ ኣየአምንኩም።+ 16 ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “ምሳይ ሰላም ግበሩ፡ ኢድኩም ድማ ሃቡ፣* ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ካብ ተኽሊ ወይኑን ካብ ኦም በለሱን ይብላዕ፡ ካብ መዕቘር ማዩ እውን ይስተ፣ 17 መጺአ ነዛ ምድርኹም ናብ እትመስል ምድሪ፡+ ናብ ምድሪ እኽልን ጕዕሽ ወይንን፡ ናብ ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ከምኡ ግበሩ። 18 ህዝቅያስ፡ ‘የሆዋ ኼናግፈና እዩ’ ኢሉ ኣየስሕትኩም። ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ንምድሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፈዶ ኣሎ፧+ 19 ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧+ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምከ ኣበይ ኣለዉ፧+ ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣናጊፎምዋ እዮም፧+ 20 የሆዋ ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ዜናግፋስ፡ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዚአን ንምድሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ መን ኣሎ፧”’”+ 21 ንጉስ፡ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ስቕ በሉ፡ ሓንቲ ቓል እውን ኣይመለሱሉን።+ 22 እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ከኣ፡ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ እቲ ራብሳቀ ነገርዎ። 29 “ኣቲ ኣርኤል፡* ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ+ ኸተማ ኣርኤል፡ ወይለኺ! ዓመት ዓመት ቀጽሉ፣እቲ ዑደት በዓላት+ ይቐጽል። 2 ንኣርኤል ግና ጭንቂ ኸምጽኣላ እየ፣+ሓዘንን ልቕሶን ከኣ ኪኸውን እዩ፣+ንሳ ድማ ከም እቶን መሰውኢ ኣምላኽ ክትኰነኒ እያ።+ 3 ብዅሉ ሸነኻ ኽሰፍር፡ብሓጹር ከኣ ክኸብባ፡መኽበቢ እውን ከተንስኣላ እየ።+ 4 ክትዋረዲ ኢኺ፣ካብ ምድሪ ኽትዛረቢ፡እቲ እትብልዮ ድማ ብሓመድ ኪዕበስ እዩ። ድምጽኺ ኸም ድምጺ ጠያቒ መናፍስቲ ዀይኑ፡ካብ ምድሪ ኺመጽእ፡+ቃልኪ እውን ካብ ሓመድ ጭቝጭቝ ኪብል እዩ። 5 ጭፍራ ጸላእትኺ* ኸም ድኹም ተጐጓ፡+ጭፍራ እቶም ጨቈንቲ ድማ ከም ዚውሰድ ብቝቡቝ ኪኸውን እዩ።+ ብቕጽበትን ብሃንደበትን እውን ኪኸውን እዩ።+ 6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊትብነጕድን ብምንቅጥቃጥ ምድርን ብብርቱዕ ደሃይን፡ብብርቱዕ ንፋስን ብህቦብላን ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን ቈላሕታኡ ኺገብረልኪ እዩ።”+ 7 ሽዑ፡ ጭፍራ እቶም ምስ ኣርኤል ዚዋግኡ ዅሎም ኣህዛብ፡+—ኵሎም እቶም ምስኣ ዚዋግኡንእቲ ኣንጻራ እተገብረ ዕርዲ ኸበባንእቶም ዜጨንቕዋን፡—ከም ሕልሚ፡ ከም ራእይ ለይቲ ኪዀኑ እዮም። 8 እወ፡ ከምቲ ጥሙይ ብሕልሙ ዚበልዕ፡ግናኸ፡ ብጥሙዩ ዚነቅሕ፡*ከምቲ ጽሙእ ድማ ብሕልሙ ዚሰቲ፡ግናኸ፡ ብድኹሙን ብጽሙኡን ዚነቅሕ ኪኸውን እዩ።* እቶም ምስ ከረን ጽዮን ዚዋግኡ+ጭፍራ ዅሎም ኣህዛብ እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም። 9 ተዓነዱን ተገረሙን፣+ዑሩን ዕዉራት ኩኑን።+ ንሳቶምሲ ሰኺሮም እዮም፡ ግናኸ ብወይኒ ኣይኰኑን፣ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ፡ ግናኸ ብኣልኮላዊ መስተ ኣይኰኑን። 10 የሆዋስ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣፍሲሱሎም ኣሎ፣+ንኣዒንትኹም፡ ነቶም ነብያት ደፊንዎም፡+ንኣራእስኩም፡ ነቶም ሰብ ራእይ እውን ኣጐልቢብዎም ኣሎ።+ 11 ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ።+ “በጃኻ ነዚ ዓው ኢልካ ኣንብቦ” ኢሎም ኬንብብ ንዚኽእል ምስ ዚህብዎ፡ “ሕቱም እዩ እሞ፡ ኣይክእልን እየ” ኺብል እዩ። 12 “በጃኻ ነዚ ኣንብቦ” ኢሎም ኬንብብ ንዘይክእል ምስ ዚህብዎ ድማ፡ “ንባብ ከቶ ኣይክእልን እየ” ኺብል እዩ። 13 የሆዋ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ይቐርበኒ፡ብኸናፍሩ እውን የኽብረኒ፣+ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ፣ንዓይ ዘለዎም ፍርሃት ድማ ኣብቲ እተማህርዎ ትእዛዛት ሰብ እተመስረተ እዩ።+ 14 ስለዚ፡ እቲ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድንቂ ኣብ ልዕሊ ድንቂ ብምግባር፡ከም ብሓድሽ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር፡ ኣነ እየ፣+ጥበብ እቶም ጥበበኛታቶም ኪጠፍእ፡ኣእምሮ እቶም ኣስተውዓልቶም እውን ኪሕባእ እዩ።”+ 15 እቶም ውጥናቶም* ካብ የሆዋ ኺሓብኡ ብዙሕ ዚጽዕሩ ወይለኦም!+ “መን ይርእየና፧ መንከ ብዛዕባና ይፈልጥ” እናበሉ+ተግባሮም ኣብ ጸልማት ይገብሩ። 16 ክንደይ ኰን ኢኹም ነገራት እተቕንኑ!* ሰራሕ ካይላዶ ኸም ካይላ ጌርካ ኺርአ ይግባእ እዩ፧+ እተገብረዶ ንገባሪኡ፡“ኣይገበረንን” ኪብሎ ይግባእ እዩ፧+ እተደኰነዶኸ ብዛዕባ ደኳኒኡ፡“ኣይርድኦን እዩ” ኺብል ይግባእ እዩ፧+ 17 ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ሊባኖስ ናብ ግራት ፍረታት ኪልወጥ፡+እቲ ግራት ፍረታት ድማ ከም ዱር ጌርካ ኺርአ እዩ።+ 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጸማማት ንቓላት እቲ መጽሓፍ ኪሰምዕዎ እዮም፣ኣዒንቲ ዕዉራት ድማ ካብ ድነን ጸልማትን ወጺአን ኪርእያ* እየን።+ 19 ዓቃላት* ብየሆዋ ብዙሕ ባህ ኪብሎም እዩ፣ኣብ መንጎ ሰባት ዘለዉ ድኻታት ከኣ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪሕጐሱ እዮም።+ 20 ከመይሲ፡ ጨቋኒ ኣይኪህሉን፡ምኩሕ ድማ ኪውዳእ እዩ፣ኵሎም እቶም ኪጐድኡ ዜተኵሩ እውን ኪጠፍኡ እዮም።+ 21 እቶም ብቓል ሓሶት ንኻልኦት በደልቲ ዚገብሩ፡ንተማጓቲ* ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ መጻወድያታት ዚገብሩሉ፡+ብባዶ መጐተታት እውን ንጻድቕ ፍትሒ ዚኸልእዎ፡ ኪጠፍኡ እዮም።+ 22 ስለዚ፡ እቲ ንኣብርሃም+ እተበጀዎ የሆዋ ንቤት ያእቆብ ከምዚ ይብላ ኣሎ፦ “ያእቆብሲ ደጊም ኣይኪሓፍርን፡ ገጹ እውን ኣይኪጽምሉን* እዩ።+ 23 ንደቁ፡ ነቶም ግብሪ ኣእዳወይ፡ኣብ ማእከሉ ምስ ረኣዮምሲ፡+ንሳቶም ንስመይ ኪቕድሱ እዮም፣እወ፡ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ኪቕድስዎ፡ንኣምላኽ እስራኤል እውን ኪፈርህዎ እዮም።+ 24 እቶም ብመንፈስ ፋሉላት ዝዀኑ፡ ኣእምሮ ኼጥርዩ፡እቶም ዜማርሩ ኸኣ ትምህርቲ ኪቕበሉ እዮም።” 28 እታ ናይ ረኣዩለይ* ዘውዲ* እቶም ሰኽራማት ኤፍሬምን+እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ እቶም ብወይኒ እተሰነፉ ዘሎክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባን፡ ወይለኡ! 2 እንሆ፡ የሆዋ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ኣለዎ። ከም ሃጽፊ በረድ፡ ከም ዜጥፍእ ህቦብላ ንፋስ፡ከም ነጕዲ ሓያል ምዕልቕላቕ ማያት፡ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኺድርብዮ እዩ። 3 እቲ ናይ ረኣዩለይ* ዘውድታት እቶም ሰኽራማት ኤፍሬምኣብ ትሕቲ እግሪ ኺርገጽ እዩ።+ 4 እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ፍርያም ስንጭሮ ዘሎክቡር ጽባቐኣ ዝዀነ ዚጽምሉ ዕምባባ ኸኣ፡ከምቲ ቕድሚ ሓጋይ ዚርከብ ቀዳማይ በለስ ኪኸውን እዩ። ሓደ ምስ ረኣዮ እሞ ኣብ ኢዱ ምስ ሓዞ፡ ብኡብኡ ይውሕጦ። 5 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቶም ካብ ህዝቡ ዝተረፉ፡ ክቡር ዘውድን ጽቡቕ ኣኽሊል ዕምባባን ኪኸውን እዩ።+ 6 ነቲ ኣብ ፍርዲ እተቐመጠ ኸኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዚፍኖ መጥቃዕቲ ዚመልሱ እውን ምንጪ ሓይሊ ኪኸውን እዩ።+ 7 እዚኣቶም እውን ብወይኒ ይስሕቱ፣ኣልኮላዊ መስተኦም ሰንከልከል የብሎም። ካህንን ነብይን ብሰሪ ኣልኮላዊ መስተ ይስሕቱ፣ወይኒ የደናግሮም፣ብኣልኮላዊ መስተኦም ድማ ሰንከልከል ይብሉ። ራእዮም የስሕቶም፣ኣብ ፍርዲ እውን ይዕንቀፉ።+ 8 መኣድታቶምሲ ዜፈንፍን ትፋእ ዝመልአ እዩ፣—ንሱ ዘይብሉ ቦታ የልቦን። 9 ንመን ደኣ ፍልጠት ኬካፍል፡ንመንከ መልእኽቲ ኺገልጽ እዩ፧ ነቶም ጸባ ዝሓደጉ፡ነቶም ጡብ ሕዳግ ድዩ፧ 10 ከመይሲ፡ “ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” እዩ። 11 እምበኣር፡ ብወታእ ዘረባን* ብቛንቋ ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኺዛረቦ እዩ።+ 12 ንሱስ፡ “እዚኣ መዕረፊት እያ። እቲ ድኹም ይዕረፍ፣ እዚኣ ቦታ ዕረፍቲ እያ” ኢልዎም ነይሩ፣ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣብዮም።+ 13 ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ንዓታቶም፡ “ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡ መለክዒ ኣብ ልዕሊ መለክዒ፡*+ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ” ኪኸውን እዩ። ስለዚ፡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ኪዕንቀፉ፡ ጥንቅልዒት ኪወድቁ፡ኪስበሩ፡ ኪፍንጠሩ፡ ኪትሓዙ እውን እዮም።+ 14 እምበኣር፡ ኣቱም ምኩሓት፡ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትገዝኡ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፣ 15 ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ትብሉ ኢኹም፦ “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፡+ምስ መቓብር* ድማ ተዋዓዒልና* ኢና። ንሓሶት መዕቈቢና ጌርናዮ፡ብምትላል እውን ተሓቢእና ኢና እሞ፡+ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡ኣይኪበጽሓናን እዩ።” 16 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን መሰረት ዚኸውን ፍቱን እምኒ፡+ርግጽ መሰረት+ ዚኸውን ክቡር እምኒ መኣዝን+ አንብር ኣለኹ። ብእኡ ዚኣምን ኣይኪስምብድን እዩ።+ 17 ፍትሒ፡ ገመድ መለክዒ፡+ጽድቂ ኸኣ፡ መዐቀኒ ጽፍሒ* ኽገብር እየ።+ በረድ ንመዕቈቢ ሓሶት ኪዅስትሮ፡ማያት ድማ ነቲ መሕብኢ ኺድምስሶ እዩ። 18 እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኺዳንኩም ኪፈርስ፡እቲ ምስ መቓብር* ዝገበርኩምዎ ውዕል እውን ኣይኪቐውምን እዩ።+ ብርቱዕ ደምሳሲ ውሒዝ ኪሓልፍ ከሎ፡ብእኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም። 19 ንግሆ ንግሆ፡መዓልትን ለይትን ኪሓልፍ እዩ እሞ፡ብዝሓለፈ መጠን፡ኪዅስትረኩም እዩ።+ ሽበራ ጥራይ እዩ ነቲ ዝሰምዕዎ ዜረድኦም።”* 20 ከይተሳፍሓሉስ ዓራት ሓጺር እዩ፣ከይትጕልበብ ድማ መደረብታ ጸቢብ እዩ። 21 የሆዋስ ከም ኣብ ከረን ጰራጺም ኪትንስእ እዩ፣ተግባሩ፡—እቲ ዜደንቕ ተግባሩ፡—ምእንቲ ኺገብር፡ዕዮኡ፡—እቲ ዘይልሙድ ዕዮኡ፡+—ድማ ምእንቲ ኺፍጽም፡ከምቲ ኣብ ጥቓ ጊብዖን+ ዘሎ ስንጭሮ* እውን ርእሱ ኼለዓዕል እዩ። 22 ንዅላ እታ ምድሪ* ጥፍኣት ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡+ካብ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፡ማእሰርትኹም ከይጸንዕሲ፡ሕጂ ኣይተላግጹ።+ 23 ጽን በሉ፡ ድምጸይ እውን ስምዑ፣ኣቕልቡ፡ ዝብሎ ድማ ስምዑ። 24 ሓረስታይሲ ዘርኢ ኸይዘርአ ምሉእ መዓልቲዶ ኺሓርስ ይውዕል እዩ፧ ብቐጻሊዶ ንምድሩ ይባርዎን ድንኩል ይሰብርን እዩ፧+ 25 ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ፡ኣበሱዳዶ ኣይብትንን፡ ካሙንዶኸ ኣይዘርእን እዩ፧ ስርናይን ብልቱግን ስገምን ኣብ ቦታኡ፡ዓለስ+ ድማ ኣብ ወሰን ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ፧ 26 ንሱስ ቅኑዕ መገዲ የፍልጦ፡*ኣምላኹ ይምህሮ እዩ።+ 27 ኣበሱዳስ ብመኼዲ ኣይርገጽን እዩ፣+ካሙን ከኣ ብመንኰርኰር ሰረገላ ኣይክየድን እዩ። የግዳስ፡ ኣበሱዳ ብበትሪ፡ካሙን ድማ ብዘንጊ እዩ ዚዝበጥ። 28 ሰብዶ ነቲ ንእንጌራ ዚኸውን እኽሊ ይጥሕኖ እዩ፧ ኣይፋሉን፡ ብዘይምቍራጽሲ ኣየኺዶን እዩ፣+ብኣፍራሱ ገይሩ መንኰርኰር ሰረገላኡ ኣብ ልዕሊኡ ኬኽይድ ከሎ ኸኣ፡ኣይጥሕኖን እዩ።+ 29 እዚ እውን ካብቲ ምኽሩ* ዜደንቕ፡ዕዮኡ* ድማ ዓብዪ ዝዀነ+የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ ዚመጽእ። 38 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ።+ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፡ ንቤተ ሰብካ ተላቦ’” በሎ።+ 2 ህዝቅያስ ከኣ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦ 3 “ኦ የሆዋ፡ እልምነካ ኣለኹ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ከም እተመላለስኩ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እውን ጽቡቕ ከም ዝገበርኩ በጃኻ ዘክር።”+ ህዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ። 4 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኢሳይያስ መጸ፦ 5 “ተመሊስካ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦+ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡+ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ።+ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዕድመኻ* 15 ዓመት እውስኸልካ ኣለኹ፣+ 6 ንዓኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፣ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክከላኸለላ እየ።+ 7 የሆዋ ነቲ እተዛረቦ ቓል ከም ዚፍጽሞስ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፦+ 8 እንሆ፡ እቲ ኣብ መደያይቦ ኣሓዝ ዚወርድ ዘሎ ጽላሎት ጸሓይ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ኪምለስ እዩ።”’”*+ ስለዚ፡ ጸሓይ ካብቲ ወሪዳትሉ ዝነበረት መደያይቦ፡ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ተመልሰት። 9 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሓሚሙ ኻብ ሕማሙ ምስ ሓወየ ዝጸሓፎ ጽሑፍ።* 10 ኣነስ፡ “ኣብ መንጎ ህይወተይ፡ናብ ኣፍ ደገታት መቓብር* ክኸይድ እየ። ነዚ ዝተረፈ ዓመታተይ ክኽልከል እየ” ኢለ ነይረ። 11 ከምዚ ድማ ኢለ ነይረ፦ “ንያህ፡* ንያህ ኣብ ምድሪ ህያዋን ኣይክርእዮን እየ።+ ምስ ነበርቲ እቲ ዅሉ ዜቋርጸሉ ቦታ ምስ ኰንኩ፡ደጊም ሰብ ኣይክርእን እየ። 12 መንበርየይ ከም ድንኳን ጓሳ፡ካባይ ተመንቊሳን ኣልጊሳን ኣላ።+ ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ ኣለኹ፣ንሱ ኸም ቅጥኒ ይቘርጸኒ። ካብ መዓልቲ ኽሳዕ ለይቲ፡ ንስኻ ናብ መወዳእታ ተምጽኣኒ።+ 13 ክሳዕ ንግሆ ንርእሰይ ኣህዲአ። ንሱ ኸም ኣንበሳ፡ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ይሰብሮ ኣሎ። ካብ መዓልቲ ኽሳዕ ለይቲ፡ ንስኻ ናብ መወዳእታ ተምጽኣኒ።+ 14 ከም ለዃዂቶ ወይ ከም ጭሩ* ጭቝጭቝ እብል ኣለኹ፣+ከም ርግቢ ኩኩ እብል ኣለኹ።+ ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምርኣይ ደኺመን፦+ ‘ኦ የሆዋ፡ ብዙሕ እጭነቕ ኣለኹ፣ደገፈይ ኩን!’*+ 15 እንታይ እሞ ኽብል እኽእል፧ ንሱ ተዛሪቡኒ፡ ገይርዎ ኸኣ። ብሰንኪ መሪር ጭንቀይ፡*ኵለን ዓመታተይ ብትሕትና* ኽመላለስ እየ። 16 ‘ኦ የሆዋ፡ ኵሉ ሰብ በዚ ነገራት እዚ* ይነብር፣ኣብኡ ኸኣ ህይወት መንፈሰይ ኣሎ። ጥዕና ኽትህበንን ብህይወት ከተንብረንን ኢኻ።+ 17 እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም፡ ዓብዪ ምረት ነይሩኒ፣ንዓይ ስለ ዝፈቶኻኒ* ግና፡ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣድሒንካኒ።+ ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ።*+ 18 መቓብርሲ* ኼሞግሰካ ኣይክእልን፡+ሞት እውን ኪውድሰካ ኣይክእልን እዩ።+ እቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ፡ ብተኣማንነትካ ተስፋ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም።+ 19 ከምቲ ኣነ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽገብሮ ዝኽእል፡ህያው፡ እወ ህያው እዩ ኺውድሰካ ዚኽእል። ኣቦ ንደቁ ብዛዕባ ተኣማንነትካ ኼፍልጦም ይኽእል እዩ።+ 20 ኦ የሆዋ፡ ኣድሕነኒ እሞ፡ብዅለን መዓልትታት ህይወትና ኣብ ቤት የሆዋ፡+መዛሙረይ ብበገና ኽንወቕዓልካ ኢና።’”+ 21 ኢሳይያስ ድማ፡ “ምእንቲ ኺሓውስ፡ ጎጎ በለስ ኣምጽኡ፡ ኣብቲ ምጕልንጭዋ ግበሩሉ” በለ።+ 22 ህዝቅያስ ከኣ፡ “ናብ ቤት የሆዋ ኸም ዝድይብ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ።+ 8 የሆዋ ድማ፡ “ዓብዪ ሰሌዳ+ ውሰድ እሞ፡ ኣብኡ ብተራ ብርዒ፡* ‘ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ’* ኢልካ ጽሓፍ። 2 እሙናት መሰኻኽር፡ ካህን ኡርያን+ ዘካርያስ ወዲ የበረክያን ከኣ፡ ብጽሑፍ የረጋግጹለይ”* በለኒ። 3 ሽዑ፡ ናብታ ነብዪት* ኣቶኹ፣* ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ ኢልካ ስመዮ፣ 4 እቲ ቘልዓ፡ ‘ኣቦይ!’ ‘ኣደይ!’ ኢሉ ምጽዋዕ ከይፈለጠስ፡ ጥሪት ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪውሰድ እዩ” በለኒ።+ 5 ከም ብሓድሽ ድማ፡ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፦ 6 “እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ለመም ኢሉ ዚውሕዝ ማያት ሺሎኣሕ* ስለ ዝነዓቖ፡+ብረጺንን ብወዲ ረማልያን ከኣ ስለ እተሓጐሰ፡+ 7 ስለዚ፡ እንሆ፡ የሆዋ ኣንጻሮም፡ብርቱዕን ዓብይን ማያት እቲ ፈለግ፡*ንጉስ ኣሶርን+ ኵሉ ኽብሩን ኬምጽኣሎም እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ባይታ እቲ ርባ ኺድይብ፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገማግሙ ኸኣ ኪውሕዝ እዩ፣ 8 ንይሁዳ እውን ኪድምስሳ እዩ። ክሳብ ክሳድ ዚበጽሕ ኰይኑ ድማ ኪውሕዝን ኪሓልፍን እዩ፣+ኦ ኣማኑኤል፡*+እቲ እተዘርግሐ ኣኽናፉ ንግፍሒ እታ ምድሪ ኺመልኦ እዩ!” 9 ኣቱም ህዝብታት፡ እስከ ጕድኡ፣ ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም። ኵልኹም ኣቱም ካብ ርሑቕ ክፋል ምድሪ ዝዀንኩም፡ ስምዑ! ንውግእ ተዳለዉ፣* ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም!+ ንውግእ ተዳለዉ፣ ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም! 10 ውጥን ምሃዙ፣ ግናኸ፡ ኪተዓናቐፍ እዩ! ዝደለኹምዎ በሉ፣ ግናኸ፡ ኣይኪሰልጥን እዩ! ከመይሲ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ!*+ 11 የሆዋ ነታ ሓያል ኢዱ ኣባይ ገይሩ፡ ብመገዲ እዚ ህዝቢ እዚ ኸይመላለስ ኬጠንቅቐኒ ኢሉ ኸምዚ በለኒ፦ 12 “ነቲ እዞም ህዝቢ እዚኦም ውዲት ዚብልዎ፡ ውዲት ኣይትበልዎ! ነቲ ዚፈርህዎ ኸኣ ኣይትፍርህዎ፣ብእኡ ራዕራዕ ኣይትበሉ። 13 ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡—ንዕኡ ደኣ ቕዱስ ጌርኩም ርኣይዎ፣+ንዕኡ ድማ ፍርህዎ፣ንሱ እውን ራዕራዕ የብልኩም።”+ 14 ንሱ ኸኣ መቕደስ ኪኸውን እዩ፣ግናኸ፡ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል፡እምኒ መሐንኰልንከውሒ መዐንቀፍን ኪኸውን፡+ንነበርቲ የሩሳሌም ድማ፡መጻወድያን መፈንጠራን ኪኸውን እዩ። 15 ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ኪዕንቀፉን ኪወድቁን ኪስበሩንኪፍንጠሩን ኪትሓዙን እዮም። 16 ነቲ እተጻሕፈ መረጋገጺ* ጠቕልሎ፣ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርተይ ነቲ ሕጊ* ሕተሞ። 17 ኣነስ ነቲ ገጹ ኻብ ቤት ያእቆብ+ ዚሓብእ ዘሎ የሆዋ ኽጽበዮ፡*+ ብእኡ እውን ተስፋ ኽገብር እየ። 18 እንሆ፡ ኣነን እቶም የሆዋ ዝሃበኒ ደቅን፡+ ካብቲ ኣብ ከረን ጽዮን ዚነብር የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝዀንና ትእምርትን+ ተኣምራትን ኢና። 19 “ነቶም ጭቝጭቝን ዕዝምዝምን ዚብሉ ጠየቕቲ መናፍስቲ ወይ ጠንቈልቲ ሕተቱ” እንተ ኢሎምኹም፡ ህዝቢ ንኣምላኹ ደይኰነን ዚሓትት፧ ምእንቲ ህያዋንሲ ንምዉታትዶ ይሕተት፧+ 20 ካብቲ ሕግን ካብቲ እተጻሕፈ መረጋገጽን* ደኣ ይሕተቱ! ከምዚ ቓል እዚ ምስ ዘይዛረቡ፡ ብርሃን* የብሎምን።+ 21 ነፍሲ ወከፍ ከኣ ተወጺዑን ጠምዩን በታ ምድሪ እቲኣ ኺሓልፍ እዩ፣+ ብምጥማዩን ብምቝጣዑን ድማ፡ ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪሩ ንንጉሱን ንኣምላኹን ኪረግሞም እዩ። 22 ድሕሪኡ፡ ናብ ምድሪ ኺጥምት፡ ጭንቅን ጸልማትን፡ ጽልግልግታን ሽግርን፡ ድነን ብርሃን ኣልቦነትን ጥራይ እውን ኪርኢ እዩ። 11 ካብ ጕርማጽ እሴይ፡+ ውልዶ ኺበቍል፡+ካብ ሱሩ ዝወጸ ብቋል+ ድማ ፍረ ኼፍሪ እዩ። 2 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ መንፈስ የሆዋ፡+መንፈስ ጥበብን+ ኣእምሮን፡መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡+መንፈስ ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን ኪዓርፍ እዩ። 3 ብፍርሃት የሆዋ ድማ ደስ ኪብሎ እዩ።+ ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ኣይኪፈርድን፡ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ እውን ኣይኪገንሕን እዩ።+ 4 ንትሑታት ብፍትሒ* ኺፈርድ፡ምእንቲ ዓቃላት* ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺገንሕ እዩ። ንምድሪ ብሻቦጥ ኣፉ ኺወቕዓ፡+ንእኩይ ድማ ብትንፋስ* ከናፍሩ ኪቐትሎ እዩ።+ 5 ጽድቂ ዕጣቕ መዓጥቖኡ፡ተኣማንነት እውን ዕጣቕ ሕቘኡ ኪኸውን እዩ።+ 6 ተዅላ ምስ ገንሸል* ኪኸውን፡+ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ በጥ ኪብል፡ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ስቡሕ እንስሳን ድማ ብሓባር ኪዀኑ እዮም፣*+ንእሽቶ ወዲ እውን ኪመርሖም እዩ። 7 ላምን ድብን ብሓደ ኺበልዓ፡ውላዳተን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም። ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ።+ 8 ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ልዕሊ ሰፈር መንደላይ ተመን ኪጻወት፡ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እንዳ መርዛም ተመን ኪገብር እዩ። 9 ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ እሞ፡+ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ፡+ኣይኪጐድኡን+ ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም። 10 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሱር እሴይ፡+ ሰንደቕ ዕላማ ህዝብታት ኰይኑ ኪቐውም እዩ።+ ኣህዛብ መምርሒ ደልዮም ናብኡ ኼብሉ እዮም፣*+መዕረፊኡ ድማ ክቡር ኪኸውን እዩ። 11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ነቶም ካብ ኣሶርን+ ካብ ግብጽን+ ካብ ጳጥሮስን+ ካብ ኩሽን+ ካብ ዔላምን+ ካብ ሲንኣርን* ካብ ሓማትን ካብ ደሴታት ባሕርን+ ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮምሲ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ። 12 ንኣህዛብ ሰንደቕ ዕላማ ኬተንስኣሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተበተኑ ኸኣ ኪእክቦም፡+ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉ እውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺእክቦም እዩ።+ 13 ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፣+እቶም ንይሁዳ ዚጸልእዎ እውን ኪጠፍኡ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉን፡ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይኪጸልኦን እዩ።+ 14 ናብ ቍልቍለት* ፍልስጥኤማውያን ናብ ምዕራብ ኪንቈቱ፡ብሓባር ከኣ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምትዎም እዮም። ኢዶም* ኣብ ልዕሊ ኤዶምን+ ሞኣብን+ ኪዝርግሑ፡ዓሞናውያን ድማ ተገዛእቶም ኪዀኑ እዮም።+ 15 የሆዋ ንወሽመጥ* ባሕሪ ግብጺ ኺመቕሎ፡*+ኣብ ልዕሊ እቲ ፈለግ* ኸኣ ኢዱ ኼወዛውዝ እዩ።+ ብዜሕርር ትንፋሱ* ንዕኡ ኣብ ሸውዓተ ወሓይዙ ኺወቕዖ፡*ምስ ሳእንኻ ኸም ዚስገር እውን ኪገብሮ እዩ። 16 ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ+ ድማ ካብ ኣሶር ዚወጽእ ጐደና+ ኺህሉ እዩ። 2 ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ነገር እዚ እዩ፦+ 2 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ከረን ቤት የሆዋኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡+ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ድማ ልዕል ኪብል እዩ፣ናብኡ ኸኣ ኵሎም ኣህዛብ ኪውሕዙ እዮም።+ 3 ብዙሓት ህዝብታት ድማ ኪኸዱ፡“ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ፡ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ።+ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ንሕና እውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ኸኣ ኪብሉ እዮም።+ ሕግስ* ካብ ጽዮን፡ቃል የሆዋ ድማ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ።+ 4 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ፡ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ነገር ኬቕንዓሎም እዩ። ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም።+ ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።+ 5 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ንዑ፡ብብርሃን የሆዋ ንመላለስ።+ 6 ብኣመል ሰብ ምብራቕ ስለ ዝመልኡስ፡ንህዝብኻ፡ ንቤት ያእቆብ፡ ጠንጢንካዮም፣+ከም ፍልስጥኤማውያን ስሒር ይገብሩ፣+ምስ ደቂ ጓኖት እውን ይተኣሳሰሩ። 7 ምድሮም ብብሩርን ብወርቅን መሊኣ ኣላ፣መዛግብቶም ድማ ደረት የብሉን። ምድሮም ብኣፍራስ መሊኣ ኣላ፣ሰረገላታቶም ከኣ ደረት የብሉን።+ 8 ምድሮም ብኸንቱ ኣማልኽቲ መሊኣ ኣላ።+ ንግብሪ ኣእዳዎም፡ኣጻብዖም ንዝገበራኦ ይሰግዱ። 9 ስለዚ፡ ሰብ ይሰግድ፡ ይዋረድ፣ንስኻ ድማ ኣይትሓድገሎምን። 10 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑንብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡+ናብ ከውሒ እቶ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተሓባእ። 11 ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ትሕት ኪብላ እየን፣ትምክሕቲ ሰባት ድማ ኪዋረድ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በይኑ ልዕል ኪብል እዩ። 12 እታ መዓልቲ እቲኣስ፡ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እያ።+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ኰነ ትሑት ትመጽእ ኣላ።+ 13 ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዊሕን ልዑልን ቄድሮሳት ሊባኖስ፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን፡ 14 ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ኣኽራን፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዝበለ ዅርባታት፡ 15 ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዊሕ ግምብን ኵሉ እተዓርደ መንደቕን፡ 16 ኣብ ልዕሊ ዅለን መራኽብ ተርሲስን+ኣብ ልዕሊ ዅለን ተብሃግቲ ጃለቡን ትመጽእ ኣላ። 17 ትዕቢት ሰብ ትሕት ኪብል፡ትምክሕቲ ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በይኑ ልዕል ኪብል እዩ። 18 ከንቱ ኣማልኽቲ ጠሪሶም ኪጠፍኡ እዮም።+ 19 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑንብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡+ንምድሪ ብሽበራ ራዕራዕ ኬብላ ምስ ተንስአ፡ሰባት ናብ በዓትታት ኣኻውሕንናብ ጐዳጕዲ ምድርን ኪኣትዉ እዮም።+ 20 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰባት ነቶም ኪሰግዱሎም ኢሎምካብ ብሩርን ካብ ወርቅን እተገብሩ ኸንቱ ኣማልኽቶም ወሲዶም፡ናብ ኣናጹን ናብ መንካዓትን ኪድርብይዎም እዮም።+ 21 ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምዃን ዜሸብር ብምዃኑንብምኽንያት እቲ ዓብዪ ግርማኡን፡ንምድሪ ብሽበራ ራዕራዕ ኬብላ ምስ ተንስአ፡ናብ ጐዳጕዲ ኣኻውሕንናብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኪኣትዉ እዮም። 22 ምእንቲ ርእስኹምሲ በቲ ኣብ ኣፍንጫኡ ኸም ዘሎ ትንፋስ ዝዀነ*ሰብ ምእማን* ሕደግዎ፣ስለምንታይከ ኣብ ግምት ዚኣቱ፧ 26 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እዚ መዝሙር እዚ ኣብ ምድሪ ይሁዳ+ ኺዝመር እዩ፦+ “ጽንዕቲ ኸተማ ኣላትና።+ ንመካበብያኣን ንዕርዳን፡ ድሕነት ገይርዎ እዩ።+ 2 ጻድቕ ህዝቢ፡ብተኣማንነት ዚመላለስ ህዝቢ ኺኣቱስ፡ ኣፍ ደገታት ክፈቱ።+ 3 ነቶም ምሉእ ብምሉእ ኣባኻ ዚጽግዑ፡* ክትሕልዎም ኢኻ፣ብኣኻ ስለ እተኣመኑ፡*+ቀጻሊ ሰላም ክትህቦም ኢኻ።+ 4 ያህ* የሆዋ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡+ንዘለኣለም ብየሆዋ ተኣመኑ።*+ 5 ነቶም ኣብ በሪኽ፡ ኣብታ ልዕልቲ ኸተማ ዚነብሩስ ኣውሪድዎም። ንዓኣ ኸኣ ኣውሪድዋ፡ናብ ምድሪ ኣውሪድዋ፣ናብ ሓመድ ደርብይዋ። 6 እግሪ ኺረግጻ፡እግሪ ውጹዓትን ስጕምቲ ትሑታትን ኪረግጻ እዩ።” 7 መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ* እያ። ቅኑዕ ስለ ዝዀንካ፡መገዲ ጻድቕ ከተጣጥሕ ኢኻ። 8 ኦ የሆዋ፡ መገዲ ፍርድታትካ ኽንስዕብ ከለና፡ተስፋና ብኣኻ እዩ። ስምካን መዘከርታኻን ንናፍቕ* ኢና።* 9 ፍርድታትካ ኣብ ምድሪ ምስ ዚኸውን፡ነበርቲ እታ ምድሪ ብዛዕባ ጽድቂ ይምሃሩ እዮም እሞ፡+ለይቲ፡ ብዅለንትናይ* እናፍቐካ እየ፣እወ፡ መንፈሰይ ይደልየካ እዩ።+ 10 እኩይሲ ሞገስ እኳ እንተ ተገብረሉ፡ጽድቂ ኣይምሃርን።+ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኳ እከይ ይገብር፡+ግርማ የሆዋ እውን ኣይርእን።+ 11 ኦ የሆዋ፡ ኢድካ ተላዒላ ኣላ፣ ንሳቶም ግና ኣይረኣይዋን።+ ንህዝብኻ ዘሎካ ቕንኣት ኪርእዩን ኪሓፍሩን እዮም። እወ፡ ንተጻረርትኻ እተዳለወ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። 12 ኦ የሆዋ፡ ኵሉ እቲ ዝገበርናዮ፡ንስኻ ኢኻ ዓሚምካልና እሞ፡ሰላም ክትህበና ኢኻ።+ 13 ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ብዘይካኻ ኻልኦት ጐይተት ገዚኦምና እዮም፣+ንሕና ግና ስምካ ጥራይ ኢና እንረቍሕ።+ 14 ንሳቶምሲ ምዉታት እዮም፣ ህያዋን ኣይኰኑን። ብሞት እተሰነፉ እዮም፣ ኣይኪትንስኡን እዮም።+ ከተጽንቶምን ኵሉ መዘከርታኦም ከተጥፍእንሲ፡ናባታቶም ቈላሕታኻ ጌርካ ኢኻ። 15 ነቲ ህዝቢ ኣዕቢኻዮ፡ ኦ የሆዋ፡ነቲ ህዝቢ ኣዕቢኻዮ፣ርእስኻ ኣኽቢርካ።+ ኵሉ ዶባት እታ ምድሪ ብዙሕ ኣስፊሕካ።+ 16 ኦ የሆዋ፡ ብግዜ ጭንቂ ናባኻ ኣቢሎም፣ምስ ገሰጽካዮም፡ ጸሎቶም ብሕሹዅሹዅ ኣፍሲሶም።+ 17 ከምቲ ኽትወልድ ዝቐረበት ጥንስቲቅልውላው ዚሕዛን ብጻዕሪ እትጭርሕን፡ኦ የሆዋ፡ ንሕና እውን ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ዄንና። 18 ጠኒስና፡ ቅልውላው ድማ ሒዙና፣ግናኸ፡ ንፋስ ከም ዝወለድና ዄንና። ናብታ ምድሪ፡ ድሕነት ኣየምጻእናን፣ኣብታ ምድሪ ኺነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይተወልደን። 19 “ምዉታትካ ብህይወት ኪነብሩ እዮም። ሬሳታተይ* ኪትንስኡ እዮም።+ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡+ንቕሑ፡ እልል እውን በሉ! ኣውልኻስ ኣውሊ ንግሆ* እዩ፣ምድሪ ድማ ነቶም ብሞት እተሰነፉ፡ ህያዋን ኪዀኑ ኽትሓድጎም እያ።* 20 ኣቱም ህዝበይ፡ ኪዱ፡ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ማዕጾኹም እውን ብድሕሬኹም ዕጸዉ።+ ቍጥዓ* ኽሳዕ ዚሓልፍ፡+ንሓጺር ህሞት ተሓብኡ። 21 እንሆ፡ የሆዋስ ንነበርቲ እታ ምድሪ ብስሕተቶም ተሓተትቲ ኺገብሮምካብ ቦታኡ ይመጽእ ኣሎ፣እታ ምድሪ ኸኣ ንዘፍሰሰቶ ደም ክትቀልዖ፡ንቕቱላታ እውን ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ።” 44 “ሕጂ ኸኣ፡ ኣታ ያእቆብ ጊልያይ፡ኣታ እስራኤል ሕሩየይ፡ ስማዕ።+ 2 እቲ ዝገበረካን ዝደኰነካን+ካብ ማሕጸን* ዝረድኣካንየሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣታ ያእቆብ ጊልያይ፡ኣታ የሹሩን*+ ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ።+ 3 ኣብቲ ጽሙእሲ* ማይ፡+ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ኸኣ ወሓይዝ ከፍስስ እየ። ኣብ ዘርእኻስ መንፈሰይ፡+ኣብ ውሉዳትካ ድማ በረኸት ከፍስስ እየ። 4 ንሳቶም ከኣ ከም ሳዕሪ፡ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ ከም ዘሎ ኣእዋም ዓራባ ኺበቝሉ እዮም።+ 5 እዚ ሓደ፡ “ኣነ ናይ የሆዋ እየ” ኺብል፡+እቲ ሓደ ድማ ብስም ያእቆብ ኪጽዋዕ፡ካልእ ከኣ ኣብ ኢዱ፡ “ናይ የሆዋ” ኢሉ ኺጽሕፍ እዩ። ስም እስራኤል እውን ኪቕበል እዩ።’ 6 የሆዋ ኸምዚ ይብል፣እቲ ንጉስ እስራኤልን+ ተበጃዊኡን+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ቐዳማይን ዳሕራይን እየ።+ ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን።+ 7 ከማይ ዝበለ መን እዩ፧+ ይጸውዕን ይንገርን የርእየንን!+ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኻብ ዝመስረትኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡ነቲ ዚመጽእንገና ዚኸውንን ነገር ይንገሩ። 8 ኣይትርዓዱ፡ብፍርሂ እውን ኣይትልመሱ።+ ንነፍሲ ወከፍካ ኣቐዲመዶ ኣየስማዕኩኻን ወይ ኣይነገርኩኻን፧ ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።+ ብዘይካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ፧ ካልእ ከውሕስ የልቦን፣+ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የልቦን።’” 9 ኵሎም እቶም ጽሩብ ምስልታት ዚሰርሑ ኸንቱ እዮም፣እቶም ዚፈትውዎም ነገራቶም ከኣ ኣይጠቕሙን እዮም።+ መሰኻኽሮም ኰይኖምሲ ሓንቲ እኳ ኣይርእዩን፡ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን እዮም፣*+ስለዚ፡ እቶም ዚገብርዎም፡ ኪሓፍሩ እዮም።+ 10 ንሓደ እኳ ዘይጠቅምኣምላኽ ዚሰርሕ ወይ ፍሱስ ምስሊ ብፍሲ ዚገብር መን እዩ፧+ 11 እንሆ፡ ኵሎም ተሓባበርቱ ኺሓፍሩ እዮም!+ ኢደ ጥበበኛታትሲ ሰብ ጥራይ እዮም። ኵሎም ይተኣከቡን ይቝሙን። ብሓባር ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም። 12 ሓጓዳይ ንሓጺን ኣብ ጓህሪ ገይሩ ብንዋቱ* ይሰርሕ፣ብሓያል ቅልጽሙ እናዓየየ፡ብሞደሻ ቕርጺ የትሕዞ።+ ሽዑ፡ ይጠሚ እሞ፡ ሓይሉ ይውዳእ፣ማይ ኣይሰትን እሞ፡ ይደክም። 13 ጸራብ ዕንጨይቲ ኸኣ ገመድ መለክዒ ይዝርግሕ እሞ ብቐይሕ ኵርሽ ይነድፎ። ብመንደል ይሰርሖ፡ ብኮምፓስ ገይሩ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት* ኪቕመጥሲ፡ከም ሰብ፡ከም ጽባቐ ሰብ ገይሩ ይነድፎ።+ 14 ቄድሮሳት ምቝራጽ ዝዕዮኡ ድማ ኣሎ። ሓደ ዓይነት ኦም፡ ገዚፍ ኦም፡ ይሓሪ እሞ፡ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ደልዲሉ ኺዓቢ ይሓድጎ።+ ኦም ላውሪል ይተክል፡ ዝናም ከኣ የብቍሎ። 15 ንሰብ ከኣ ንምንዳድ ይዀኖ። ገለ ኻብኡ ወሲዱ ይሞቘሉ፣ሓዊ ኣጒዱ ድማ እንጌራ ይስንክተሉ። ግናኸ፡ ኣምላኽ ገይሩ እውን የምልኾ። ጽሩብ ምስሊ ይገብር እሞ ይሰግደሉ።+ 16 ፍርቁ ኣብ ሓዊ የንድዶ፣በቲ ፍርቂ እቲ እውን ስጋ ጠቢሱ ይበልዕ እሞ ይጸግብ። ይመውቕ እሞ፡“ኣሰይ፡ ሞይቀ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ ኣለኹ” ይብል። 17 ነቲ ዝተረፈ ግና ጽሩብ ምስሊ ሰሪሑ ኣምላኽ ይገብሮ። ይሰግደሉን የምልኾን። “ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ”እናበለ ናብኡ ይጽሊ።+ 18 ኣዒንቶም ስለ እተዓመታን ስለ ዘይርእዩንልቦም ልቦና ስለ ዘይብሉንሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣይርድኡን እዮም።+ 19 “ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደዮ፡ብጓህሩ ድማ ክበልዕሲ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ እውን ጠቢሰ። እሞ ደኣ ነቲ ዝተረፈዶ ፍንፉን ነገር ክገብሮ እየ፧+ ካብ ኦም ንእተቘርጸ ዕንጨይቲዶ ኽሰግድ እየ፧” ኢሉ ብልቡ ዚሓስብ፡ወይ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ የልቦን። 20 ንሱ ሓምዅሽቲ ይምገብ። እቲ እተታለለ ልቡ ኣስሒትዎ እዩ። ርእሱ* ኼድሕን፡“ኣብ የማነይቲ ኢደይ ሓሶት ደይኰነን ዘሎ፧” ኪብል ኣይክእልን እዩ። 21 “ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤል፡ እዚ ዘክር፣ንስኻስ ጊልያይ ኢኻ። ኣነ ደኲነካ፡ ንስኻ እውን ጊልያይ ኢኻ።+ ኣታ እስራኤል፡ ኣይክርስዓካን እየ።+ 22 ንኣበሳኻ ኸም ብደበና፡ንሓጢኣትካ እውን ከም ብብርቱዕ ደበና ኽድምስሶ እየ።+ ኣነ ኽብጀወካ እየ እሞ፡ ናባይ ተመለስ።+ 23 የሆዋ ተግባሩ ገይሩ እዩ እሞ፡ኣቱም ሰማያት እልል በሉ! ኣቱም መዓሙቝ ምድሪ፡ ጭድርታ ዓወት ጨድሩ! ኣቱም ኣኽራን፡ኣቱም ዱርን ኵላትኩም ኣእዋምን፡ እልል በሉ!+ የሆዋስ ንያእቆብ ተበጅይዎ እዩ፣ኣብ እስራኤል ከኣ ግርማ ኣርእዩ እዩ።”+ 24 የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡+ካብ ማሕጸን ኣትሒዙ ዝደኰነካ ኸምዚ ይብል፦ “ኵሉ ዝገበርኩ፡ ኣነ የሆዋ እየ። ንሰማያት ባዕለይ ገቲረዮ፡+ንምድሪ ኸኣ ዘርጊሐያ።+ ምሳይ መን ነይሩ፧ 25 ንትእምርትታት እቶም ባዶ ዚዛረቡ* አፍሽል ኣለኹ፣ንጠንቈልቲ ዘዐሽዎም ከኣ ኣነ እየ፣+ንጥበበኛታት ዘዐውኖም፡ንፍልጠቶም ድማ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡+ 26 ንቓል ጊልያኡ ዘጽንዕ፡ንትንቢት ልኡኻቱ ኸኣ ዝፍጽም፡+ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ‘ኪነብርዋ እዮም’ ዝብል፡+ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ፡ ‘ዳግም ኪህነጻ እየን፡+ዑናታታ ድማ ከተንስእ እየ’ ዝብል፡+ 27 ብዛዕባ መዓሙቝ ማያት፡ ‘ህፈፍ፡ኵሉ ኣፍላግካ ድማ ከንቅጽ እየ’ ዝብል+ 28 ብዛዕባ ቂሮስ፡+ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ፡ፍቓደይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም እዩ’ ዝብል፡+ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ‘ዳግም ክትህነጽ እያ’ ዝብል፡ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ድማ፡ ‘ክትስረት እያ’ ዝብል ኣነ እየ።”+ 4 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ ኣጽኒዐን ኪሕዛኦ፡+“እንጌራና ኽንበልዕ፡ክዳንና እውን ክንክደን ኢና፣ውርደትና* ኸተርሕቕሲ፡+ብስምካ ኽንጽዋዕ ጥራይ ፍቐደልና” ኺብላኦ እየን። 2 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ የሆዋ ዜጠጥዖ ንጌጽን ንኽብርን ኪኸውን፡ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ሓበንን ጽባቐን እቶም ተረፍ እስራኤል ኪኸውን እዩ።+ 3 ኣብ ጽዮን እተሓድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ንህይወት እተጻሕፈ፡ ቅዱስ ኪብሃል እዩ።+ 4 የሆዋ ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን፡*+ ንርስሓት* ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሓጸበ፡+ ንምፍሳስ ደም የሩሳሌም ካብ ማእከላ ምስ ኣጽረየ፡ 5 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ቦታ ኸረን ጽዮንን ኣብ ልዕሊ ቦታ ኣኼባታታን፡ ደበናን ትክን ብመዓልቲ፡ ብሩህ ሃልሃልታ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ፣+ ኣብ ልዕሊ ኽቡር ዘበለ ዅሉስ መዕቈቢ ኪኸውን እዩ። 6 ኣብኡ ኸኣ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መጽለሊ፡+ ካብ ሃጽፍን ዝናምን እውን መዕቈብን መዕቀልን ዚኸውን ዳስ ኪህሉ እዩ።+ 41 “ኣትን ደሴታት፡ ስቕ ኢልክን ስምዓኒ፣*ኣህዛብ ሓይሎም ይሓድሱ። ይቕረቡ እሞ ይዛረቡ።+ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ። 2 እቲ ንሓደስ፡ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ኺህቦ፡ኣብ ልዕሊ ነገስታት ድማ ኬግዝኦ ኢሉ፡+ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዘተንስኦ፡+ብጽድቂ ኸኣ ናብ ኣእጋሩ* ዝጸውዖ መን እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ሰይፉ ኸም ሓመድ፡ኣብ ቅድሚ ቐስቱ እውን ከምቲ ንፋስ ዚወስዶ ሓሰር ዝገበሮም መን እዩ፧ 3 ኣእጋሩ ብዘይተጓዕዛኦ መገድታትብዘይ ዓጋቲ እናሓለፈ ይሰጕጎም። 4 ንወለዶታት ካብ መጀመርታ ብምጽዋዕነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ፡ ቀዳማይ እየ፣+ምስቶም ዳሕሮት ድማ ወትሩ ኣነ እየ።”+ 5 ደሴታት ርእየን ፈርሃ። ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ። ቀረቡ፡ መጹ ኸኣ። 6 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ይድግፍ፣ንሓዉ ድማ፡ “በርትዕ” ይብል። 7 ስለዚ፡ ኢደ ጥበበኛ ንኣንጠረኛ የበርትዖ፣+እቲ ብሞደሻ ዜጽፍሕ፡ነቲ ኣብ ወጸቓ ዚቕጥቅጥ የበርትዖ። ብዛዕባ እቲ ብየዳ፡ “ጽቡቕ እዩ” ይብል። ከይክምበል ተባሂሉ ድማ ብመሳምር ጌርካ ይጸንዕ። 8 “ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣+ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ዝሓረኹኻ፡+ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ* ኢኻ፣+ 9 ካብ ወሰናት ምድሪ ዝወሰድኩኻ፡+ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ከኣ ዝጸዋዕኩኻ ኢኻ። ኣነ ድማ በልኩኻ፦ ‘ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣+ኣነ ሓርየካ ኣለኹ፣ ኣይነዓቕኩኻን ድማ።+ 10 ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ።+ ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡+ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ።’ 11 እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ኺሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም።+ እቶም ምሳኻ ዚብኣሱ፡ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።+ 12 ምሳኻ ዚቃለሱ ሰባት ክትደሊ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን ኢኻ፣እቶም ዚዋግኡኻ ሰባት ከም ዘየለዉን ከም ዘይነበሩን ኪዀኑ እዮም።+ 13 ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+ 14 ኣታ ሓሰኻ* ያእቆብ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣይትፍራህ፣+ኣነ ኽረድኣካ እየ” ይብል የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ። 15 “እንሆ፡ መኼዲ ገይረካ፡+ክልተ ዝኣፉ ስኒ ዘለዎ ሓድሽ መኼዲ ገይረካ ኣለኹ። ኣኽራን ክትረግጽን ክትደቍስን፡ንዅርባታት ከኣ ከም ብቝቡቝ ክትገብሮም ኢኻ። 16 ከተዝርዎም ኢኻ፣ንፋስ ድማ ኪወስዶም እዩ፣ህቦብላ ንፋስ ከኣ ፋሕ ኬብሎም እዩ። ብየሆዋ ኽትሕጐስ ኢኻ፣+በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትምካሕ ኢኻ።”+ 17 “ስኡናትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ ኣለዉ፡ ግናኸ የልቦን። ልሳኖም ብጽምኢ ነቒጹ ኣሎ።+ ኣነ የሆዋ ኽምልሰሎም እየ።+ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሓድጎምን እየ።+ 18 ኣፍላግ ኣብ መላጥ ኵርባታት፡+ዓይኒ ማያት ድማ ኣብ ጐላጕል ስንጭሮ ኸውሕዝ እየ።+ ንበረኻ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያ ማይ፡ማይ ንዘይብሉ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ክቕይሮ እየ።+ 19 ኣብ ምድረ በዳ ኦም ቄድሮስንኦም ሰራውን ኦም ኣደስን ኦም ጽሕዲ ኣለጶን ክተክል እየ።+ ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኦም ጽሕዲ፡*ምስኡ ድማ ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን ክተክል እየ፣+ 20 ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበሮ፡እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ፡ኵሎም ምእንቲ ኺርእዩን ምእንቲ ኺፈልጡንምእንቲ ኬቕልቡን ምእንቲ ኺርድኡን፡ ከምኡ ኽገብር እየ።”+ 21 “ጕዳይኩም ኣቕርቡ” ይብል የሆዋ። “መጐተኹም ኣምጽኡ” ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ። 22 “መርትዖ ኣምጽኡ እሞ፡ እቲ ዚኸውን ንገሩና። ክንሓስበሉን* ውጽኢቱ ኽንፈልጦንሲ፡ብዛዕባ እቲ ዝቐደመ* ንገሩና። ወይ ብዛዕባ ዚመጽእ ኣስምዑና።+ 23 ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ኣብ መጻኢ ዚኸውን ንገሩና።+ እወ፡ ምስ ረኣናዮ ኽንግረመሉስ፡ጽቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።+ 24 እንሆ፡ ንስኻትኩም ዘየለኹም ኢኹም፣ሓንቲ እኳ ኣይትዓምሙን ኢኹም።+ ንዓኻትኩም ዚሓሪ ዘበለ ፍንፉን እዩ።+ 25 ንሓደ ኻብ ሰሜን ኣተንሲአዮ ኣለኹ፣ ንሱ እውን ኪመጽእ፡+እቲ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ ዝዀነ+ ኸኣ ንስመይ ኪጽውዕ እዩ። ከምቲ ሰራሕ ካይላ ንጭቃ ዚረግጾ፡ንገዛእቲ* ኸም ጸብሪ ኺረግጾም እዩ።+ 26 ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ካብ መጀመርታ፡‘ቅኑዕ እዩ’ ኽንብልሲ፡ ካብ ቀደም ብዛዕባ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧+ ብሓቂ፡ ሓደ እኳ ኣይነገረን! ሓደ እኳ ኣየስምዐን! ካባኻትኩም ዝሰምዐስ ሓደ እኳ የልቦን!”+ 27 ቅድሚ ዅሉ ንጽዮን፡ “እነዉ! እነዉ!” ዝበልክዋ ኣነ እየ።+ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣበሳሪ ኽሰድድ እየ።+ 28 ግናኸ፡ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ምኽሪ ዚህብሲ ኻባታቶም ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኪምልሱ ኸኣ መመሊሰ ሓተትክዎም። 29 እንሆ፡ ኵላቶም ናይ ሓሶት* እዮም። ግብርታቶም ገለ እኳ ኣይኰነን። ፍሱስ ምስሎም ንፋስን ብላሽን እዩ።+ 63 እዚ ኻብ ኤዶም፡+ካብ ቦጽራ+ ድሙቕ* ዝሕብሩ ኽዳውንቲ ተኸዲኑ ዚመጽእ ዘሎ፡እዚ ብሉጽ ክዳን ተኸዲኑ፡ብዓብዪ ሓይሉ ዚስጕም ዘሎ መን እዩ፧ “ኣነ እቲ ብጽድቂ ዝዛረብ፡ንምድሓን ዓብዪ ሓይሊ ዘለዎ እየ።” 2 ስለምንታይ ደኣ ኣልባሳትካ ቐይሑ፧ ስለምንታይከ ኽዳውንትኻ ኸምቲ ናይቶም ኣብ መጽመቝ ወይኒ ዚረግጹ መሲሉ፧+ 3 “በይነይ ነቲ ጋብላ ወይኒ ረጊጸዮ። ካብ ህዝብታት ምሳይ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ብቝጥዓ ረጊጸዮም፣ብነድረይ ድማ ጨፍሊቐዮም።+ ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተነጺጉ፣ንዅሉ ኣልባሳተይ ከኣ ጸይቐዮ። 4 መዓልቲ ሕነስ ኣብ ልበይ ኣላ፣+መዓልቲ ብጁዋተይ ድማ መጺኣ ኣላ። 5 ጠሚተስ፡ ዚሕግዝ ኣይነበረን፣ዋላ ሓደ ኺድግፍ ብዘይምቕራቡ ደንጽዩኒ። ስለዚ፡ ቅልጽመይ ድሕነት* ኣምጺኡለይ፡+ነድረይ ከኣ ደጊፉኒ። 6 ብቝጥዓይ ንህዝብታት ረጊጸዮም፣ብነድረይ ድማ ኣስኪረዮም፣+ደሞም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣፍሲሰዮ።” 7 ብምኽንያት እቲ የሆዋ ኸም ምሕረቱን ከምቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ዓብዪ ፍቕሩንዝገበረልና ዅሉ ተግባራት፡ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት፡የሆዋ ብተኣማንነት ብዜርእዮ ፍቕሩ ዝገበሮ ተግባራት፡+ዚንኣድ ተግባራት የሆዋ ኽረቍሕ እየ። 8 ንሱስ፡ “ብርግጽ ህዝበይ፡ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም” በለ።+ ስለዚ፡ መድሓኒኦም ኰነ።+ 9 ኣብ ኵሉ ጭንቆም ጨነቖ።+ ናቱ ልኡኽ* ከኣ ኣድሓኖም።+ ብፍቕሩን ብርሕራሐኡን ተበጀዎም።+ ኣብ ኵሉ ናይ ጥንቲ ዘመን ድማ ኣልዒሉ ጾሮም።+ 10 ንሳቶም ግና ዓለዉ፡+ ንመንፈስ ቅዱሱ ኸኣ ኣጕሃይዎ።+ ንሱ ድማ ጸላኢኦም ኰነ፣+ንዓታቶም እውን ተዋግኦም።+ 11 ንሳቶም ከኣ ዘመን ጥንቲ፡ዘመን ሙሴ እቲ ጊልያኡ ዘከሩ፦ “እቲ ምስ ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ+ ዘውጽኦም ኣበይ ኣሎ፧+ እቲ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብ ውሽጡ ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ፧+ 12 እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ምስ የማነይቲ ኢድ ሙሴ ኸም እትኸይድ ዝገበረ፡+ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኺገብርሲ፡+ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝመቐለ፡+ 13 ከም ፈረስ ኣብ መሮር*ከይተዓንቀፉ ኪኸዱስ፡በቲ ቡሕቡሕታ ማያት* ዘኼዶም ኣበይ ኣሎ፧ 14 ከምቲ ማል ናብ ጐልጐል ስንጭሮ ዚወርዳ፡መንፈስ የሆዋ ኣዕረፎም።”+ ንርእስኻ ዓብዪ* ስም ክትገብርሲ፡+ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕካዮ። 15 ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ጠምት፣ካብቲ ልዑል መንበር ቅድስናኻን ክብርኻን* ርአ። ቅንኣትካን ሓይልኻን፡ምልዕዓል ርሕራሐኻን*+ ምሕረትካን+ ኣበይ ኣሎ፧ ካባይ ተገቲኡ ኣሎ። 16 ንስኻስ ኣቦና ኢኻ፣+ኣብርሃም እኳ እንተ ዘይፈለጠና፡እስራኤል እኳ እንተ ዘየለለየና፡ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ። ስምካ ኸኣ እቲ ናይ ጥንቲ ተበጃዊና እዩ።+ 17 ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ካብ መገድታትካ ኽንኵብልል እትሓድገና፧* ከይንፈርሃካስ ስለምንታይ ልብና ኺተርር እትሓድግ፧*+ ምእንቲ ገላዉኻ፡ምእንቲ ነገዳት ርስትኻ ተመለስ።+ 18 እቲ ቕዱስ ህዝብኻ ንሓጺር ግዜ ተረስትይዋ። ተጻረርትና ንመቕደስካ ረጊጾምዋ ኣለዉ።+ 19 ንነዊሕ ግዜ ኸምቶም ከቶ ዘይገዛእካዮም፡ከምቶም ብስምካ ኸቶ ዘይተጸውዑ ዄንና ኣለና። 46 ቤል ይደንን፡+ ኔቦ ይጕምባሕ። ጣኦታቶም ከምቲ ንድኹማት እንስሳታት ጾር ዝዀኖም ኣቕሑ፡ኣብ እንስሳታት፡ ኣብ መጽዓኛታት ይጽዓኑ።+ 2 ይጕምብሑን ብሓደ ይደንኑን፣ነቲ ጾር* ኬናግፍዎ ኣይክእሉን እዮም፣ንሳቶም ንርእሶም እውን ናብ ምርኮ ይኸዱ።* 3 “ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኵላትኩም፡+ኣቱም ካብ እትውለዱ ዝደገፍኩኹም፡ ካብ ማሕጸን እውን ዝጾርኩኹም፡ ስምዑኒ።+ 4 ክሳዕ እትኣርጉ፡ ኣነ ወትሩ ኣነ እየ፣+ክሳዕ እትሽይቡ፡ ክጾረኩም እየ። ከምቲ ዝገበርክዎ፡ ክስከመኩምን ክጾረኩምን ከናግፈኩምን እየ።+ 5 ምእንቲ ኽንመሳሰልሲ፡+ምስ መን ከተመሳስሉኒ፡ ወይ ከተመዓራርዩኒ፡ ወይ ከተወዳድሩኒ ኢኹም፧+ 6 ወርቂ ኻብ ማሕፉዳኦም ዜንበሽብሹ ኣለዉ፣ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ። ኣንጠረኛ ይቘጽሩ እሞ፡ ንሱ እውን ንዕኡ ኣምላኽ ይገብሮ።+ ድሕሪኡ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ ይድፍኡ፡ እወ፡ ይሰግዱሉ።+ 7 ናብ መንኵቦም የልዕልዎ፣+ጾይሮም ኣብ ቦታኡ የንብርዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ይቐውም። ካብ ቦታኡ ኣይንቀሳቐስን።+ ናብኡ ይምህለሉ፡ ግናኸ ኣይምልሰሎምን፣ንሓደ እኳ ኻብ ጭንቂ ኼናግፍ ኣይክእልን እዩ።+ 8 እዚ ዘክሩ፡ ኣጆኹም። ኣቱም ኣበስቲ፡ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ። 9 ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ፡ ካልእ እውን ከም ዘየልቦ፡እቲ ዝቐደመ* ናይ ጥንቲ ዘክሩ። ኣነ ኣምላኽ* እየ፡ ከማይ ዝበለ ኸኣ የልቦን።+ 10 ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ።+ ‘ውሳነይ* ኪቐውም፡+ባህ ዝበለኒ ድማ ክገብር እየ’ እብል እየ።+ 11 ንኣሞራ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ፡+ውሳነይ* ንዚፍጽም ከኣ ካብ ርሑቕ ሃገር እጽውዕ ኣለኹ።+ ተዛሪበ እየ፡ ከምጽኦ ድማ እየ። ዓሊመ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ።+ 12 ኣቱም ተረርቲ ልቢ፡*ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሓቕኩም፡ ስምዑኒ። 13 ጽድቀይ ኣቕሪበዮ ኣለኹ፣ርሑቕ ኣይኰነን፣ድሕነተይ እውን ኣይኪድንጕን እዩ።+ ንጽዮን ድሕነት፡ ንእስራኤል ከኣ ግርማይ ክህብ እየ።”+ 53 በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧+ ቅልጽም የሆዋኸ+ ንመን ተገሊጹ፧+ 2 ኣብ ቅድሚኡ* ኸም ውልዶ፡+ ከምቲ ኻብ ምድሪ ኣጻምእ ዚወጽእ ሱር ኪበቍል እዩ። ምዕሩግ መልክዕ ኰነ ግርማ የብሉን።+ ምስ ረኣናዮ ኸኣ፡ ትርኢቱ ናብኡ ኣይሰሓበናን።* 3 ንዑቕን ብሰብ እተጐስየን፡+ንስቓይ እተባህለን* ሕማም ዚፈልጥን ሰብ እዩ ነይሩ። ገጹ ኻባና ኸም እተሓብአ* ነይሩ። ንዑቕ እዩ ነይሩ፣ ንሕና እውን ገለ እኳ ኣይቈጸርናዮን።+ 4 ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾይርዎ፣+ንስቓይና ኸኣ ተሰኪምዎ።+ ንሕና ግና ብመዓት ከም እተወቕዐ፡ ብኣምላኽ ከም እተወቕዐን መከራ ኸም ዝጸገበን ቈጺርናዮ። 5 ንሱ ግና ምእንቲ ኣበሳና+ ተወጊኡ፣+ምእንቲ ስሕተትና ተጨፍሊቑ።+ ምእንቲ ሰላምና፡ መቕጻዕቲ ጾይሩ፣+ሳላ ቝስሉ እውን ንሕና ሓዊና።+ 6 ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ኰለል ኢልና፣+ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ኣቢሉ፣የሆዋ ኸኣ ስሕተት ኵላትና ኣብኡ ኣውዲቕዎ።+ 7 ተጨቊኑ፡+ መከራ ኺጸግብ ፈቒዱ፣+ግናኸ፡ ኣፉ ኣይከፈተን። ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተወሲዱ፣+ኣብ ቅድሚ ቐምቀምታ ስቕ ከም እትብል በጊዕ ኰይኑ፣ኣፉ እውን ኣይከፈተን።+ 8 ብምኽንያት ግትኣትን* ፍርድን ተወሲዱ፣ካብ ምድሪ ህያዋን ተቘሪጹ* እዩ እሞ፡+ንናይ ወለዶኡ ዝርዝርከ* መን ኪሓስቦ እዩ፧ ብምኽንያት ኣበሳ ህዝበይ ተወቒዑ።*+ 9 ጌጋ* ዘይገበረ፡ኣብ ኣፉ እውን ምትላል ዘይተረኽቦ ኽነሱስ፡+ምስ እኩያት መቓብር ተዋሂብዎ፣*+ብሞቱ ድማ ምስ ሃብታማት* ኰይኑ።+ 10 የሆዋ ግና ኪጭፍልቖ ፍቓዱ ነይሩ፣* ኪሓምም እውን ሓዲግዎ። ንህይወቱ* መስዋእቲ በደል ጌርካ እንተ ኣቕሪብካያ፡+ዘርኡ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኸኣ ኬንውሕ፡+ብእኡ እውን ደስታ* የሆዋ ኺሰልጥ እዩ።+ 11 ብምኽንያት ስቓዩ፡* ኪርእን ኪዓግብን እዩ። እቲ ጻድቕ ጊልያይ ብፍልጠቱ+ንብዙሓት ኬጽድቕ እዩ፣+ስሕተቶም ከኣ ኪጸውር እዩ።+ 12 ስለዚ፡ ህይወቱ* ንሞት ወፍይዋ፡+ምስ ኣበስቲ ድማ ተቘጺሩ እዩ እሞ፡+ኣብ መንጎ ብዙሓት፡ ግዲኡ ኽምድበሉ እየ፣ምስ ብርቱዓት ከኣ ምርኮ ኺማቐል እዩ፣ሓጢኣት ብዙሓት ተሰኪሙ፣+ንኣበስቲ ድማ ለሚኑሎም።+ 37 ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ ማቕ ተኸድነ፡ ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣተወ።+ 2 ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂምን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ንዓበይቲ ኻህናትን ማቕ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ኪኸዱ ሰደዶም። 4 ምናልባት የሆዋ ኣምላኽካ፡ ቃላት እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ+ ኬባጭወሉ ዝለኣኾ ራብሳቀ ሰሚዑ ይኸውን፣ በቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሰምዖ ቓላት ድማ ተሓታቲ ይገብሮ ይኸውን። እምበኣር፡ ምእንቲ እዚ ዝተረፈ ተረፍ+ ጸሎት ኣዕርግ።’”+ 6 ኢሳይያስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር+ ኪጸርፉኒ ዝሰማዕካዮ ቓላት ኣይትፍራህ።+ 7 እንሆ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ሓሳብ* ከእቱ እየ፣ ንሱ ኸኣ ወረ ሰሚዑ ናብ ምድሩ ኺምለስ እዩ፣+ ኣብ ምድሩ ድማ ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።”’”+ 8 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ምስ ሰምዐ፡ ናብኡ ተመልሰ፡ ምስ ሊብና ኺዋጋእ ድማ ረኸቦ።+ 9 ንጉስ ድማ ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ “ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ” ኺብሃል ሰምዐ። እዚ ምስ ሰምዐ፡ መሊሱ ናብ ህዝቅያስ+ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦ 12 ኣማልኽቲ እቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብዶ ኣናጊፎምዎም እዮም፧+ ጎዛንን ካራንን+ ሬጸፍን እቶም ኣብ ቴል-ኣሳር ዝነበሩ ህዝቢ ኤደንን ኣበይ ኣለዉ፧ 13 ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማታት ሰፋርዋዪምን+ ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧’” 15 ህዝቅያስ ድማ ናብ የሆዋ+ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ 16 “ኦ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ በይንኻ ናይ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ። ንሰማያትን ንምድርን ንስኻ ኢኻ ጌርካዮ። 17 ኦ የሆዋ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ርአ።+ ሰናክሪብ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምብጫው ዝለኣኾ ዅሉ ቓላት ስማዕ።+ 18 ኦ የሆዋ፡ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራትን ንምድሮምን ከም ዘባደሙስ ሓቂ እዩ።+ 19 ንኣማልኽቶም እውን ናብ ሓዊ ደርብዮምዎም እዮም፣+ ከመይሲ፡ ንሳቶም ብኢድ ሰብ እተሰርሑ ዕንጨይትን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+ ስለዚ እዮም ዘጥፍእዎም። 20 ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ኦ የሆዋ፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”+ 21 ሽዑ፡ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናባይ ስለ ዝጸለኻ፡+ 22 እቲ የሆዋ ኣንጻሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦ “ድንግል ጓል ጽዮን ንዒቓትካን ኣላጊጻትልካን። ጓል የሩሳሌም ርእሳ ነቕኒቓትልካ። 23 ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን+ ዝጸረፍካዮን፧ ንመን ኢኻ ድምጽኻ ዓው ዘበልካሉ፧+ ንመንከ ኢኻ እተን ዕቡያት ኣዒንትኻ ዘልዓልካሉ፧ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።+ 24 ብገላዉኻ ንየሆዋ ኸምዚ ኢልካ ኣባጪኻሉ፦+ ‘ብብዙሓት ሰረገላታተይናብ ልዑል ኣኽራን፡ናብ ግሉል ክፋላት ሊባኖስ ክድይብ፡+ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሳቱ፡ ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱ* ክቘርጽ፡ናብቲ ዝለዓለ መዕቈቢኡ፡ ናብቲ ፈራዪ ዱሩ ኸኣ ክኣቱ እየ። 25 ዒላታት ኵዒተ ማያት ክሰቲ፡ንርባታት* ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ ከንቅጾ እየ።’ 26 ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ ካብ ጥንቲ ተወሲኑ* እዩ። ካብ ቀደም ኣዳልየዮ* እየ።+ ሕጂ ኸምጽኦ እየ።+ ንእተዓርዳ ኸተማታት ኵምራታት ዑና ኽትገብረን ኢኻ።+ 27 ነበርተን ድማ ረዳኢ ኣልቦ ኪዀኑ እዮም፣ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም። ከም ኣትክልቲ መሮር፡ ከም ለምለም ሳዕሪ፡ከምቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሓረረ ሳዕሪ ናሕሲ ኪዀኑ እዮም። 28 ኣነ ግና መዓስ ከም እትቕመጥን እትወጽእን እትኣቱን፡+መዓስ ከኣ ከም እትንድረለይ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣+ 29 ከመይሲ፡ እቲ ዝነደርካለይን+ ዝጨደርካለይን ናብ ኣእዛነይ በጺሑ እዩ።+ ስለዚ፡ ዓንቃሪቦይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡+ ልጓመይ ድማ ኣብ መንጎ ኸናፍርካ ኽገብር፡በታ ዝመጻእካላ መገዲ ኸኣ ክመልሰካ እየ።” 30 “‘እዚ ድማ ንዓኻ* ምልክት ይኹንካ፦ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡* ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዕ ኢኻ፣ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዓጽዱን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።+ 31 እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ዘምለጡ ተረፍ፡+ ናብ ታሕቲ ሱር ኪሰድዱ፡ ናብ ላዕሊ ኸኣ ፍረ ኺፈርዩ እዮም። 32 ከመይሲ፡ ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሓኑ ኺወጹ እዮም።+ ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብሮ እዩ።+ 33 “‘ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦+ “ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡+ ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይኪውርውርን፡ብዋልታ መኪቱ ኸኣ ኣይኪገጥመላን፡ዕርዲ ኸበባ እውን ኣይኪዅምረላን እዩ።”’+ 34 ‘በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ እዩ፣ናብዛ ኸተማ እዚኣ እውን ኣይኪኣቱን እዩ’ ይብል የሆዋ። 35 ‘ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ምእንታይን+ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን+ ኢለ ኽከላኸለላን+ ከድሕናን እየ።’” "36 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ወጺኡ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ሰባት ቀተለ። ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ንዅሉ እቲ ሬሳታት ረኣይዎ።+" 37 ሽዑ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነቒሉ ናብ ነነዌ ተመልሰ፡+ ኣብኣ እውን ተቐመጠ።+ 38 ኣብ ቤት* ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ ኸኣ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጽርን ብሰይፊ ቐተልዎ፣+ ናብ ምድሪ ኣራራት ድማ ኣምለጡ።+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን ነገሰ።+ 64 ኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ኼንቀጥቅጡስ፡ሰማያት ጨንዲሕካ እባ እንተ ትወርድ! 2 ሓዊ ንቐሸም ከም ዜንድዶ፡ሓዊ ድማ ንማይ ከም ዜፍልሖ፡ሽዑ፡ ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምተፈልጠ፡ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ምበሉ! 3 ዘይተጸበናዮ ዜፍርህ ነገር ምስ ገበርካ፡+ወረድካ፡ ኣኽራን ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ።+ 4 ምእንቲ እቶም ዚጽበይዎ* ዚገብር ኣምላኽሲ+ብዘይካኻ ኻብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፡ ጽን ኣይተባህለን፡ዓይኒ እውን ኣይረኣየትን። 5 ነቶም ተሓጒሶም ቅኑዕ ዚገብሩ፡+ነቶም ዚዝክሩኻን መገድታትካ ዚስዕቡን ተቐበልካዮም። እንሆ፡ ክንሓጥእ ከለና፡ ተቘጣዕካ፣+ንነዊሕ ግዜ ኸምኡ ገበርና። ሕጅስ ክንድሕንዶ ይግብኣና እዩ፧ 6 ኵላትና ኸም ርኹስ ኴንና ኣለና፣ኵሉ ተግባራት ጽድቅና ኸኣ ከም ክዳን ጻግነ እዩ።+ ኵላትና ኸም ቈጽሊ ኽንጽምሉ ኢና፣ስሕተትና ድማ ከም ንፋስ ኪወስደና እዩ። 7 ገጽካ ኻባና ሓቢእካ ኣለኻ፡+ብሰሪ* ስሕተትና ኸኣ ተማህምነና* ኣለኻ እሞ፡ስምካ ዚጽውዕ የልቦን፣ንዓኻ ኺሕዝ ኢሉ ዚለዓዓል እውን የልቦን። 8 ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ።+ ንሕና ኻይላ ኢና፣ ንስኻ ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ* ኢኻ፣+ኵላትና ግብሪ ኢድካ ኢና። 9 ኦ የሆዋ፡ እምብዛ ኣይትቈጣዕ፣+ስሕተትና ንዘለኣለም ኣይትዘክር። ኵላትና ህዝብኻ ኢና እሞ፡ በጃኻ ተመልከተና። 10 እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን ኣለዋ። ጽዮን በረኻ ዀይና ኣላ። የሩሳሌም ባዲማ ኣላ።+ 11 እታ ኣቦታትና ንዓኻ ዝወደሱላናይ ቅድስናን ክብርን* ቤትና*ብሓዊ ነዲዳ ኣላ፣+ኵሉ እቲ ኣኽቢርና እንርእዮ እውን ዓንዩ ኣሎ። 12 ኣብዚ ዅሉስ፡ ኦ የሆዋ፡ ንርእስኻዶ ኽትገትእ ኢኻ፧ ስቕዶ ኽትብል ኢኻ፧ እምብዛ ኽንውጻዕዶኸ ኽትሓድገና ኢኻ፧+ 57 ጻድቕ ጠፊኡ፣ነዚ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ ግና የልቦን። እሙናት ሰባት ይውሰዱ፣*+እቲ ጻድቕ ብሰንኪ* መዓት ከም እተወስደ ግናሓደ እኳ ኣየስተውዕልን። 2 ናብ ሰላም ይኣቱ። ኵሎም እቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ፡ ኣብ ዓራውቶም* የዕርፉ። 3 “ኣቱም ደቂ ኣስማተኛ፡ኣቱም ዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን ግና፡ንስኻትኩምሲ ናብዚ ቕረቡ፦ 4 ንመን ኢኹም እተላግጹሉ፧ ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም መልሓስኩም እተውጽኡሉ፧ ንስኻትኩምሲ ደቂ ኣበሳ፡ደቂ ምትላል፡+ 5 ኣብ መንጎ ዓበይቲ ኣእዋም፡+ ኣብ ትሕቲ ልሙዕ ኦም+ብፍትወት ዝረሰንኩም፡ውሉዳት ኣብ ስንጭሮታት፡*ኣብ ትሕቲ ቋቝራታት ኣኻውሕ እትሓርዱ ደይኰንኩምን፧+ 6 ግደኺ ምስ ልሙጻት ኣእማን ስንጭሮ* እዩ።+ እወ፡ እዚኣቶም ዕጫኺ እዮም። ንዓታቶም እኳ መስዋእቲ መስተ ኣፍሲስክሎም፡ መባእ እውን ኣቕሪብክሎም።+ በዚዶ ኽሕጐስ* እየ፧ 7 ኣብ ልዑልን በሪኽን ከረን ዓራትኪ ኣዳሊኺ፣+መስዋእቲ ኽትስውኢ እውን ናብኡ ደዪብኪ።+ 8 ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ጌርኪ። ንዓይ ሓዲግኪ ተቐሊዕኪ። ደዪብኪ ዓራትኪ ኣርሒብኪ። ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቲኺ። ምሳታቶም ኣብ ዓራት ምድቃስ ፈቲኺ፣+ብልዕቶም ከኣ ጠሚትኪ።* 9 ዘይቲ ሒዝኪ፡ብዙሕ ሽቱ ሒዝኪ ናብ ሜሌክ* ወሪድኪ። ልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ልኢኽኪ፣ስለዚ፡ ናብ መቓብር* ወሪድኪ። 10 ብዙሕ መገድታትኪ ኽትስዕቢ ጽዒርኪ፣‘እዝስ ዘይከውን እዩ!’ ኣይበልክን። ሓድሽ ሓይሊ ረኺብኪ። ስለዚ ኢኺ ዘይተሓለልኪ።* 11 ክትሕስዊ ዝጀመርክስብመን ስለ እትርዕድን እትፈርህን እዩ፧+ ንዓይ ኣይዘከርክንን።+ ኣብ ልብኺ ዘሕደርክዮ ነገር እውን የልቦን።+ ስቕዶ ኣይበልኩን፡ ካብ ነገርዶኸ ኣይተኣለኹን እየ፧*+ ስለዚ፡ ኣይፈራህክንን። 12 ‘ጽድቅኽን’+ ግብርኽን+ ከፍልጥ እየ፣እዚ ድማ ኣይኪጠቕመክን እዩ።+ 13 ምስ እተእውዪ፡እቶም ዝኣከብክዮም ጣኦታትኪ ኣይኬናግፉኽን እዮም።+ ንዅላቶም ንፋስ ኪወስዶም፡ትንፋስ ጥራይ ድማ ኪጸርጎም እዩ፣እቲ ኣባይ ዚምዕቈብ ግና ነታ ምድሪ ኺወርሳ፡ነቲ ቕዱስ ከረነይ እውን ኪርስተዮ እዩ።+ 14 ‘መገዲ ኣጣጥሑ፡ ኣጣጥሑ! ጐደና ጽረጉ!+ ካብ ቅድሚ ህዝበይ መዐንቀፊ ዘበለ ኣልግሱ።’” 15 እቲ ልዑልን እቲ ኽብ ዝበለን፡እቲ ንዘለኣለም ዚነብር፡+ ስሙ ድማ ቅዱስ ዝዀነስ+ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዑልን ቅዱስን ቦታ እየ ዝነብር፣+ግናኸ፡ መንፈስ ትሑታት ንምሕዳስ፡ልቢ እተደቝሱ ኸኣ ንምሕዳስ፡ምስቶም እተደቝሱን ትሑት ዝመንፈሶምን እውን እነብር እየ።+ 16 ንዘለኣለምሲ ኣይክጻረሮምን፡ወትሩ እውን ኣይክቝጥዖምን እየ፣+ኣብ ቅድመይሲ መንፈስ ሰብ፡አረ እቶም ዝገበርክዎም ዜስተንፍሱ ፍጡራት እኳ ምደኸሙ።+ 17 ዘይግባእ ረብሓ ንምድላይ ብዝገበሮ ሓጢኣት ተቘጢዐ ነይረ፣+ስለዚ፡ ወቒዐዮ፡ ገጸይ ሓቢአ፡ ተቘጢዐ ድማ። ንሱ ግና መገዲ ልቡ እናሰዓበ ኸዳዕ ኰይኑ ተመላሊሱ።+ 18 መገድታቱ ርእየዮ እየ፣ግናኸ፡ ከሕውዮን+ ክመርሖን+ እየ፣ንዕኡን ንሕዙናቱን ከኣ መጸናንዒ ኽመልሰሎም* እየ።”+ 19 “ፍረ ኸናፍር እፈጥር ኣለኹ። ኣብ ርሑቕ ንዘሎን ኣብ ቀረባ ንዘሎን ቀጻሊ ሰላም ኪውሃብ እዩ”+ ይብል የሆዋ፡“ከሕውዮ ድማ እየ።” 20 “እኩያት ግና ከምቲ ኺሃድእ ዘይክእል ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፣ማያቱ ኸኣ ተኽሊ ባሕርን ጸብርን የውጽእ። 21 ንእኩያትሲ ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።+ 40 “ኣጸናንዑ፡ ንህዝበይ ኣጸናንዕዎ” ይብል ኣምላኽኩም።+ 2 “ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፣*ግዴታዊ ኣገልግሎታ ኸም እተፈጸመ፡በደላ ኸም እተኸፍለ ኣውጁላ።+ ካብ ኢድ የሆዋ ንዅሉ ሓጢኣታ ምሉእ* ተቐቢላ እያ።”+ 3 ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ “መገዲ የሆዋ ጽረጉ!*+ ኣብ ምድረ በዳ ንኣምላኽና ጐደና+ ኣቕንዑ።+ 4 ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፣ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል። ሓባጥ ጐባጥ ምድርስ ጐልጐል፡ድንጉር ከኣ ጐልጐል ስንጭሮ ይኹን።+ 5 ኣፍ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ክብሪ የሆዋ ኺግለጽ፡+ኵሉ ስጋ* ድማ ብሓባር ኪርእዮ እዩ።”+ 6 ስማዕ! ሓደ፡ “ጨድር!” ይብል ኣሎ፣ካልእ ድማ፡ “እንታይ ኢለ ኽጭድር፧” ኢሉ ይሓትት ኣሎ። “ኵሉ ስጋ፡* ሳዕሪ እዩ። ኵሉ እቲ ብተኣማንነት ዜርእይዎ ፍቕሪ ኸም ዕምባባ መሮር እዩ።+ 7 ትንፋስ* የሆዋ ነፊስዎ እዩ እሞ፡ሳዕሪ ይነቅጽ፡ዕምባባ ይጽምሉ።+ ብርግጽ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ ጥራይ እዩ።+ 8 ሳዕሪ ይነቅጽ፡ዕምባባ ይጽምሉ፣ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።”+ 9 ኣቲ ንጽዮን እተበስሪ፡ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ።+ ኣቲ ንየሩሳሌም እተበስሪ፡ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ። ዓው በሊ፡ ኣይትፍርሂ። ንኸተማታት ይሁዳ፡ “እንሆ ኣምላኽኩም” ኢልኪ ኣውጂ።+ 10 እንሆ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብሓይሊ ኺመጽእ፡ቅልጽሙ ድማ ምእንታኡ ኺገዝእ እዩ።+ እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፣እቲ ዚኸፍሎ ጻማ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እዩ።+ 11 ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ኺከናኸነን* እዩ።+ ንዕያውቲ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን፡ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ። ነተን ዜጥብዋ ብህድኣት ኪመርሐን እዩ።+ 12 ማያት ብኢዱ ዓሚኹ ዝሰፈረ፡+ሰማያት ከኣ ብስድሪ ኢዱ* ዝለክዐ መን እዩ፧ ሓመድ ምድሪ ዝሰፈረ፡+ኣኽራን ብመምዘኒ፡ኵርባታት እውን ብሚዛን ዝመዘነ መን እዩ፧ 13 መንፈስ የሆዋ ዝዓቀነ፡*ኣማኻሪኡ ዀይኑ ድማ ዚምህሮ መን እዩ፧+ 14 ኪርዳእሲ ምስ መን ተማኺሩ፧ መገዲ ፍትሒ ዝመሃሮ፡ፍልጠት ዝመሃሮ፡ጐደና ናይ ሓቂ ኣእምሮ እውን ዘፍለጦ መን እዩ፧+ 15 እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል፡ከም ደሮና ኣብ ሚዛን እዮም ዚቝጸሩ።+ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ደሮና የልዕለን። 16 ሊባኖስ እኳ ንምንዳድ ኣይኣክልን፣*እንስሳ ዘገዳሙ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ኣይኣክልን። 17 ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘየልቦ ነገር እዮም፣+ከም ባዶ፡ ከም ከንቱ ገይሩ እዩ ዚቘጽሮም።+ 18 ንኣምላኽሲ ምስ መን ከተመሳስልዎ ኢኹም፧+ ምስ ኣየናይ ምስሊኸ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧+ 19 ኢደ ጥበበኛ ብፍሲ ጣኦት* ይገብር፣ኣንጠረኛ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፣+ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ይሰርሕ። 20 ንመባኡ ኦም፡+ዘይቍንቍን ኦም ይሓሪ። ዘይክምበል ጽሩብ ምስሊ ኺሰርሓሉ፡ክኢላ ኢደ ጥበበኛ ይደሊ።+ 21 ኣይትፈልጡን ዲኹም፧ ኣይሰማዕኩምን ዲኹም፧ ካብ መጀመርታዶ ኣይተነግረኩምን፧ ካብ መሰረታት ምድሪዶኸ ኣይተረድኣኩምን፧+ 22 ኣብ ልዕሊ ኸባብ* ምድሪ ዚቕመጥ ኣሎ፣+ነበርታ ድማ ከም ጐደበ እዮም። ንሱ ንሰማያት ከም ሻሽ ይዝርግሖ ኣሎ፣ከም መንበሪ ዚኸውን ድንኳን ከኣ ይግትሮ።+ 23 ንሰበ ስልጣን ባዶ ይገብሮም፣ንፈራዶ* ድማ ከንቱ ይገብሮም። 24 ገና ኸይተተኽሉ፡ገና ኸይተዘርኡ፡ገና ጕንዶም ሱር ከይሰደደ፡ኡፍ ይብሃሉ እሞ ይነቕጹ፡ንፋስ ከኣ ከም ሓሰር ይወስዶም።+ 25 “ማዕሪኡ ንምግባርሲ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧” ይብል እቲ ቕዱስ። 26 “ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ። ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧+ እቲ ንሰራዊቶም ብቝጽሪ ዜውጽኦም እዩ፣ብስሞም ይጽውዖም።+ ካብ ዕቤት ብርታዐኡን ካብቲ ዜፍርህ ሓይሉን እተላዕለ፡+ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን። 27 ኣታ ያእቆብ፡ ስለምንታይ ከምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልከ፡ ስለምንታይ ከምዚ ትዛረብ፧ ‘መገደይ ካብ የሆዋ ሕብእቲ እያ፣ካብ ኣምላኽ ድማ ፍትሒ ኣይረክብን እየ’ ትብል ኣለኻ።+ 28 ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ የሆዋ፡ እቲ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽ እዩ።+ ከቶ ዘይደክምን ዘይሕለልን እዩ።+ ኣእምሮኡ ዘይምርመር* እዩ።+ 29 ንድኹም ሓይሊ፡ጕልበት* ንዘይብሉ ኸኣ ምሉእ ብርታዐ ይህብ።+ 30 መንእሰያት ይደኽሙን ይሕለሉን፣ኣጕባዝ ድማ ይዕንቀፉን ይወድቁን፣ 31 እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ።+ ይጐይዩ እሞ ኣይሕለሉን፣ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።”+ 16 ናብ ገዛኢ እታ ምድሪ፡ካብ ሴላዕ ብበረኻ ኣቢልኩም፡ናብ ከረን ጓል ጽዮን፡ ድዑል ስደዱ። 2 ካብ ሰፈራ ኸም ዝሃደመት ዑፍ፡+ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪታት ኣርኖን ከምኡ ኪዀና እየን።+ 3 “ምኽሪ ሃቡ፡ ውሳነ ፈጽሙ። ቀትሪ ኸሎ፡ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ። ንእተበተኑ ሕብእዮም፡ ንህዱማት ኣሕሊፍኪ ኣይትሃቢ። 4 ኣቲ ሞኣብ፡ እቶም ብቱናተይ ኣባኺ ይንበሩ። ካብ ቅድሚ እቲ መጥፍኢ፡ መሕብኢ ዅንዮም።+ እቲ ጨቋኒ ናብ መወዳእታኡ ኺበጽሕ፡እቲ ጥፍኣት እውን ኪውዳእ እዩ፣እቶም ዚረግጹ ድማ፡ ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም። 5 ሽዑ፡ ዝፋን ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ኺጸንዕ እዩ። እቲ ኣብኡ ኣብ ድንኳን ዳዊት ዚቕመጥ፡ እሙን ኪኸውን እዩ፣+ብቕንዕና ኺፈርድ፡ ብፍጥነት ከኣ ጽድቂ ኺፍጽም እዩ።”+ 6 ብዛዕባ ትምክሕቲ ሞኣብ፡—ንሱስ ኣዝዩ ዕቡይ እዩ፡+—ብዛዕባ ትዕቢቱን ትምክሕቱን ነድሩን ሰሚዕና፣+እቲ ባዶ ዘረባኡ ግና ከንቱ ኪኸውን እዩ። 7 ስለዚ፡ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ኪብለሉ እዩ፣ኵላቶም ዋይዋይ ኪብሉ እዮም።+ እቶም እተወቕዑ ድማ፡ ብዛዕባ ጎጎ ዘቢብ ቂር-ሓረሰት ኪቝዝሙ እዮም።+ 8 ከመይሲ፡ ዛላታት ሔስቦን+ ኰነ፡ተኽሊ ወይኒ ሲብማ+ ነቒጹ፣ገዛእቲ ኣህዛብ ነቲ ብሩህ ቀይሕ ጨናፍራ* ረጊጾምዎ፣ክሳብ ያዕዜር በጺሖም፣+ክሳብ በረኻ ተዘርጊሖም። ጨናፍራ ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳብ ባሕሪ ድማ በጺሑ። 9 ስለዚ፡ ከምቲ ንያዕዜር ዝበኸኹላ፡ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ኽበኽየላ እየ። ኦ ሔስቦንን ኤልዓለን፡+ ጭድርታ ፍረ ሓጋይክንን ቀውዕኽንን ኣብቂዑ እዩ እሞ፡*ብንብዓተይ ከጠስጥሰክን እየ። 10 ሓጐስን ባህታን ካብ ግራት ፍረታት ተወሲዱ እዩ፣ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ደርፊ ሓጐስ ወይ እልልታ የልቦን።+ ንጭድርታ ኸም ዜቋርጽ ገይረዮ እየ እሞ፡+ረጋጺ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ደጊም ኣይኪረግጽን እዩ። 11 ስለዚ፡ ኣምዑተይ ብሞኣብ፡+ውሽጠይ ድማ ብቂር-ሓረሰት፡+ከም ትሪምሪምታ መሰንቆ* ይናወጽ ኣሎ። 12 ሞኣብ ኣብ በሪኽ እኳ ንርእሱ እንተ ኣድከማ፡ ኣብ መቕደሱ እውን እንተ ጸለየ፡ ሓንቲ እኳ ኣይኪዓምምን እዩ።+ 13 የሆዋ ብዛዕባ ሞኣብ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። 14 ሕጂ ኸኣ የሆዋ፡ “ክብሪ ሞኣብ፡ ከም ዓመታት ዕሱብ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት* ምስ ብዙሕ ህውከት ኪዋረድ እዩ፣ እቶም ዚተርፉ እውን ኣዝዮም ሒደትን ዘይረብሑን ኪዀኑ እዮም” ይብል።+ 59 እንሆ፡ ኢድ የሆዋ ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፣+እዝኑ ድማ ንምስማዕ እትጻንዖ ኣይኰነትን።+ 2 ስሕተትኩም ደኣ እዩ ኻብ ኣምላኽኩም ፈልዩኩም።+ ሓጢኣትኩም ከኣ እዩ ገጹ ኻባኻትኩም ከም ዚሓብእንምስማዕ ከም ዚኣብየኩምን ገይርዎ።+ 3 ከመይሲ፡ ኣእዳውኩም ብደም፡+ኣጻብዕኩም ድማ ብስሕተት ተበኪለን እየን። ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡+ ልሳንኩም እውን ዓመጻ ተዕዘምዝም። 4 ንጽድቂ ዚጽውዕ የልቦን፣+ብሓቂ ናብ ፍርዲ ዚኸይድ እውን የልቦን። ብኸንቱነት* ይእመኑ፡+ ዘይረብሕ ነገር ድማ ይዛረቡ። ሽግር ጠኒሶም፡ ጕድኣት ይወልዱ።+ 5 እንቋቝሖታት መርዛም ተመን የንቍሑ፣ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ።+ እንቋቝሖታቶም ዚበልዕ ይመውት፣እተጨፍለቐ እንቋቝሖ ድማ ኣፍዑት ይነቍሕ። 6 ዓለባ ሳሬቶም ክዳን ኣይኪኸውንን እዩ፣ብዚገብርዎ ኸኣ ኣይኪኽደኑን እዮም።+ ግብሮምሲ ጐዳኢ እዩ፣ኣብ ኣእዳዎም ድማ ተግባር ዓመጻ ኣሎ።+ 7 ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐይያ፣ንጹህ ደም ናብ ምፍሳስ ከኣ ይቕልጥፉ።+ ሓሳባቶም ሓሳብ ጕድኣት እዩ፣ጥፍኣትን ጸበባን ኣብ መገድታቶም ኣሎ።+ 8 ንመገዲ ሰላም ኣይፈለጥዋን፣ኣብ ኣሰራቶም ፍትሒ የልቦን።+ ንመገድታቶም ድማ የቕንንዎ። ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ኣይፈልጣን።+ 9 ስለዚ እዩ ፍትሒ ኻባና ዝረሓቐ፡ጽድቂ እውን ዘየርከበና። ንብርሃን ተስፋ ጌርናስ፡ እንሆ ግና፡ ጸልማት፣ንድምቀት፡ ግናኸ ብድነ ንመላለስ ኣለና።+ 10 ከም ዕዉራት፡ መንደቕ ሃሰስ ንብል፡ኣዒንቲ ኸም ዘይብሎም፡ ሃሰስ ንብል ኣለና።+ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ኣብ ጸልማት ምሸት ንዕንቀፍ ኣለና፣ኣብ መንጎ እቶም ብርቱዓት፡ ከም ምዉታት ኢና። 11 ከም ድብታት ሕኒን ንብል፡ከም ረገቢት ከኣ ብሓዘን ኩኩ ንብል ኣለና። ንፍትሒ ተስፋ ጌርናስ፡ ግናኸ የልቦን፣ንድሕነት፡ ንሱ ግና ካባና ርሑቕ እዩ። 12 ዕልወትናስ ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ፣+ኵሉ ሓጢኣትና ይምስክረልና ኣሎ።+ ዕልወትናስ ምሳና ኣሎ፣ንስሕተትና ድማ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና።+ 13 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቢስና፡ ንዕኡ እውን ክሒድናዮ፣ንኣምላኽና ዝባንና መሊስናሉ። ብዛዕባ ጭቈናን ዕልወትን ተዛሪብና፣+ሓሶት ጠኒስና፡ ካብ ልብና ኸኣ ቃላት ሓሶት ኣዕዘምዚምና።+ 14 ፍትሒ ንድሕሪት ተመሊሱ፣+ጽድቂ ድማ ኣብ ርሑቕ ቈይሙ፣+ከመይሲ፡ ሓቂ* ኣብ ኣደባባይ ተዓንቂፋ፣ቅኑዕ ዘበለ ኺኣቱ ኣይከኣለን። 15 ሓቂ* ጠፊኣ፣+ካብ ክፉእ ዚርሕቕ ዘበለ ድማ ተዘሚቱ። የሆዋ እዚ ርእዩስ፡ፍትሒ ስለ ዘየልቦ፡ ጕህዩ።*+ 16 ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ርእዩ፣ሓደ እኳ ኣብ ክንዲ ኻልእ ከም ዘይልምን ርእዩ ተገሪሙ፣ስለዚ፡ ቅልጽሙ ድሕነት ኣምጺኡ፣*ጽድቁ እውን ደጊፍዎ። 17 ንጽድቂ ኸም ድርዒ ለቢስዎ፣ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ድሕነት* ቍራዕ ርእሲ ገይሩ።+ ክዳውንቲ ሕነ ኸም ክዳን ተኸዲኑ፣+ከም ብቐምሽ ላዕሊ* ኸኣ ብቕንኣት ተወንዚፉ። 18 ከከም ግብሮም ኪፈድዮም እዩ፦+ ቍጥዓ ንተጻረርቱ፡ ፍዳ ንጸላእቱ።+ ንደሴታት ከኣ ዚግብአን ኪፈድየን እዩ። 19 ካብ ምዕራብ ጸሓይ፡ ስም የሆዋ፡ካብ ምብራቕ ጸሓይ ድማ፡ ክብሩ ኺፈርሁ እዮም፣ከመይሲ፡ ከምቲ መንፈስ የሆዋ ምስ ከብከቦኣበርቲዑ ዚውሕዝ ፈለግ ኰይኑ ኺመጽእ እዩ። 20 “ንጽዮንን ነቶም ካብ ኣበሳ ዘልገሱ ኣብ ያእቆብ ዘለዉን+ተበጃዊ+ ኺመጽእ እዩ”+ ይብል የሆዋ። 21 “ኣነስ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን እዚ እዩ”+ ይብል የሆዋ። “ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክዎ ቓለይን፡ ካብ ኣፍካ፡ ካብ ኣፍ ደቅኻ፡* ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፡* ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኣይኪርሕቕን እዩ” ይብል የሆዋ። 51 “ኣቱም ጽድቂ እትስዕቡ ዘለኹም፡ኣቱም ንየሆዋ እትደልይዎ ዘለኹም፡ ስምዑኒ። ናብቲ እተወቐርኩምሉ ኸውሒ፡ናብቲ እተዀዓትኩምሉ እምኒ ዚፍሓረሉ ቦታ ጠምቱ። 2 ናብ ኣቦኹም ኣብርሃምንናብታ ዝወለደትኩም* ሳራን+ ጠምቱ። ክጽውዖ ኸለኹስ፡ ሓደ በይኑ እዩ ነይሩ፣+ኣነ ኸኣ ባረኽክዎን ኣብዛሕክዎን።+ 3 የሆዋስ ንጽዮን ኬጸናንዓ እዩ።+ ንዅሉ ዑናታታ ኼጸናንዖ እዩ፣+ንበረኻኣ ድማ ከም ኤደን፡+ንጐልጐል ምድረ በዳኣ እውን ከም ገነት* የሆዋ ኺገብሮ እዩ።+ ፍስሃን ሓጐስን፡ምስጋናን ጥዑም መዝሙርን ኣብኣ ኺርከብ እዩ።+ 4 ኣታ ህዝበይ፡ ናባይ ኣቕልብ፣ህዝበየ፡ ጽን በል።+ ካባይሲ ሕጊ ኺወጽእ እዩ፣+ፍትሐይ ከኣ ብርሃን ህዝብታት ገይረ ኽስርት እየ።+ 5 ጽድቀይ ቀረባ እዩ።+ ድሕነተይ ኪወጽእ እዩ፣+ቀላጽመይ ድማ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ።+ ደሴታት ብኣይ ተስፋ ኺገብራ፡+ንቕልጽመይ* እውን ኪጽበያ እየን። 6 ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ኣልዕሉ፣ናብታ ኣብ ታሕቲ ዘላ ምድሪ እውን ጠምቱ። ሰማያትሲ ኸም ትኪ ኺበንን እዩ፣ምድሪ ኸም ክዳን ክትበሊ እያ፣ነበርታ ድማ ከም ጻጹት ኪሞቱ እዮም። ድሕነተይ ግና ንዘለኣለም ኪኸውን፡+ጽድቀይ እውን ኣይኬቋርጽን* እዩ።+ 7 ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ኣቱም ኣብ ልብኹም ሕገይ* ዘሎኩም ህዝቢ፡ ስምዑኒ።+ ብባጫ መወትቲ ሰባት ኣይትፍርሁ፣ብጸርፎም እውን ኣይትሸበሩ። 8 ንዓታቶምሲ ብልዒ ኸም ክዳን ኪበልዖም እዩ፣ብልዒ ኽዳን* ከኣ ከም ጸምሪ ኺበልዖም እዩ።+ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡ድሕነተይ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኺነብር እዩ።”+ 9 ኣታ ቕልጽም የሆዋ፡+ንቓሕ! ንቓሕ! ብርታዐ ተኸደን። ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲ፡ ከምቲ ብሕሉፍ ወለዶታት ንቓሕ። ንረሃብ*+ ዝሰባበርካ፡ንዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ዝወጋእካ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 10 ንባሕሪ፡ ንማያት እቲ ሰፊሕ መዓሙቝ ዘንቀጽካ፡+እቶም ብጁዋት ኪሰግሩ ድማ፡ ንመዓሙቝ ባሕሪ መገዲ ዝገበርካ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 11 እቶም የሆዋ እተበጀዎም ኪምለሱ እዮም።+ ናብ ጽዮን ብእልልታ ኺመጹ እዮም፣+ዘይውዳእ ሓጐስ እውን ዘውዲ ኪዀኖም* እዩ።+ ፍስሃን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣ጓህን እህህታን ከኣ ኪሃድም እዩ።+ 12 “ኣነ ባዕለይ እየ ዘጸናንዓኩም።+ ብዚመውት መዋቲ ሰብ፡ከም ሳዕሪ ብዚጽምሉ ወዲ ሰብ ስለምንታይ እትፈርሂ፧+ 13 ነቲ ሰማያት ዝዘርግሐን+ ንምድሪ ዝሰረተንየሆዋ እቲ ገባሪኻ ስለምንታይ እትርስዖ፧+ ምሉእ መዓልቲ ድማ ያኢ ንሱ ኼጥፍኣካ ኸም ዚኽእልሲ፡ነድሪ እቲ ጨቋኒ* ብቐጻሊ ትፈርህ ኔርካ። ሕጂ ደኣ ነድሪ እቲ ጨቋኒ ኣበይ ኣሎ፧ 14 እቲ ብሰንሰለት ዝጐበጠ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ናጻ ኪኸውን እዩ፣+ኣይኪመውትን፡ ናብ ጕድጓድ ድማ ኣይኪኸይድን፡እንጌራኡ እውን ኣይኪጐድልን እዩ። 15 ኣነ ግና ንባሕሪ ዘለዓዕሎን ንማዕበላቱ ዘናውጾን+የሆዋ ኣምላኽካ እየ፣—ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።+ 16 ንሰማያት ክተኽሎም፡ ንምድሪ ድማ ክስርታ፡+ንጽዮን ከኣ፡ ‘ንስኺ ህዝበይ ኢኺ’ ኽብልሲ፡+ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኸንብር፡ብጽላል ኢደይ ከኣ ክኽውለካ እየ።+ 17 ኣቲ የሩሳሌም፡ ኣቲ ኻብ ኢድ የሆዋ ጽዋእ ቍጥዓኡ ዝሰተኺ፡ንቕሒ! ንቕሒ! ተንስኢ።+ ነቲ ዋንጫ ሰቲኺ፣ነቲ ሰንከልከል ዜብል ጽዋእ ጨሊጥኪ።+ 18 ካብ ኵሎም እቶም ዝወለደቶም ደቂ፡ ሓደ እኳ ዚመርሓ የልቦን፣ካብ ኵሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቂ፡ ሓደ እኳ ኢዳ ዚሕዛ የልቦን። 19 እዚ ኽልተ ነገር ወሪዱኪ ኣሎ። መን እሞ ኺድንግጸልኪ እዩ፧ ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ጥሜትን ሰይፍን!+ መን እሞ ኼጸናንዓኪ እዩ፧+ 20 ደቅኺ ውኖኦም ኣጥፊኦም፡+ኣብ መርበብ ከም ዘላ በጊዕ በረኻ፡ኣብ ኵሉ ዅርናዕ ጐደና* በጥ ኢሎም ኣለዉ። ቍጥዓ የሆዋ፡ መግናሕቲ ኣምላኽ መሊእዎም ኣሎ።” 21 ስለዚ፡ ኣቲ ውጽዕትን ብዘይ ወይኒ ዝሰኸርክን፡በጃኺ እዚ ስምዒ። 22 ጐይታኺ የሆዋ፡ እቲ ንህዝቡ ዚከላኸል ኣምላኽኪ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ካብ ኢድኪ ነቲ ሰንከልከል ዜብል ጽዋእ፡+ነቲ ዋንጫ፡ ነቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኽወስድ እየ፣ደጊም ኣይክትሰትይዮን ኢኺ።+ 23 ኣብ ኢድ እቶም፡ ‘ኣብ ልዕሌኺ ኽንከይድሲ ተጐምብሒ!’ ዚብሉ*ኣሳቐይትኺ ኸንብር እየ!+ ስለዚ፡ ዝባንኪ ኸም ምድሪ፡ኪኸዱሉስ ከም ጐደና ጌርኪ።” 6 በታ ንጉስ ዑዝያ ዝሞተላ ዓመት፡+ የሆዋ ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ፡+ ወሰን እቲ ወለል ዚብል ክዳኑ ድማ ነታ ቤተ መቕደስ መሊእዋ ረኣኹ። 2 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮ። ነፍሲ ወከፍ* በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ንኣእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ እውን ይነፍር ነበረ። 3 ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።+ ብዘላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ኢሉ ኣድሃየ። 4 ወንድወንዶታት እቲ ልዳውቲ ድማ ብደሃይ እቲ ጭድርታ* ኣንቀጥቀጠ፣ እታ ቤት እውን ብትኪ መልአት።+ 5 ሽዑ፡ ኣነ፡ “ወይለይ! ኣብ መንጎ ርኹስ ዝኸናፍሩ ህዝቢ ዝነብር+ርኹስ ዝኸናፍሩ ሰብ እየ፣ኣዒንተይ ከኣ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየናኦ እየን እሞጠፋእኩ!”* በልኩ። 6 ሓደ ኻብቶም ሱራፌል ድማ ናባይ ነፈረ፣ ኣብ ኢዱ ኸኣ ካብቲ መሰውኢ+ ብመንቀርቀር ዝወሰዶ ጓህሪ+ ሒዙ ነበረ። 7 ኣፈይ ተንከየ እሞ፡“እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንክይዎ እዩ። በደልካ ርሒቑልካ፡ሓጢኣትካ እውን ብዕርቂ ተኸዲኑልካ እዩ” በለ። 8 ሽዑ፡ “ንመን ክልእኽ እየ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧”+ ዚብል ድምጺ የሆዋ ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” በልኩ።+ 9 ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ በሎ፦ ‘ደጋጊምኩም ክትሰምዑ፡ግናኸ ኣይክትርድኡን ኢኹም፣ደጋጊምኩም እውን ክትርእዩ፡ግናኸ ኣይክትፈልጡን ኢኹም።’+ 10 ብኣዒንቶም ከይርእዩ፡ብኣእዛኖም ድማ ከይሰምዑ፡ልቦም ከኣ ከይርዳእ፡ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፡ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ኣደንዝዝ፡+ኣእዛኖም ድማ ኣጽምም፡+ኣዒንቶም እውን ዓምት።”+ 11 ኣነ ኸኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” በልኩ። ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ከተማታት ነባሪ ዘይብለን ኰይነን ክሳዕ ዚዓንዋ፡ኣባይቲ ኸኣ ብዘይ ሰብ ክሳዕ ዚዀና፡እታ ምድሪ እውን ክሳዕ እትዓኑን እትባድምን፣+ 12 የሆዋ ንሰባት ክሳዕ ዜርሕቖም፡+እቲ ዝባደመ ኽፋል እታ ምድሪ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚሰፍሕ። 13 “ግናኸ፡ ዕሽር ኣብኣ ኺተርፍ እዩ፣ ከምቲ ምስ ተቘርጸ፡ ጕርማጽ ዚሓድግ ዓብዪ ኦምን ገዚፍ ኦምን ድማ መሊሳ ኽትነድድ እያ፣ ቅዱስ ዘርኢ ኸኣ ጕርማጻ ኪኸውን እዩ።” 25 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። ብእምነትን+ ብተኣማንነትንካብ ጥንቲ እተዓለመ*+ዜደንቕ ነገራት ጌርካ ኢኻ እሞ፡+ልዕል አብለካ፡ ስምካ እውን እውድስ ኣለኹ። 2 ንኸተማስ ናብ ኵምራ ኣእማን፡ንእተዓርደት ከተማ ድማ ናብ ዑና ቐይርካያ ኢኻ። ግምቢ ጓኖት ደጊም ከተማ ኣይኰነትን፣ከቶ እውን ዳግም ኣይክትህነጽን እያ። 3 ስለዚ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኬኽብረካ እዩ፣ከተማ ጨቈንቲ ኣህዛብ ክትፈርሃካ እያ።+ 4 ንትሑትሲ ዕርዲ፡ንድኻ ብግዜ ጭንቁ ዕርዲ፡+ካብ ሃጽፊ መዕቈቢ፡ካብ ዋዒ ጸሓይ መጽለሊ ዄንካዮ ኢኻ።+ ሃፈጽታ ጨቈንቲ ኸምቲ ንመንደቕ ዚወቅዕ ሃጽፊ፡ 5 ከምቲ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ዘሎ ዋዒ ኪኸውን ከሎ፡ንያዕያዕታ ጓኖት ተህድኦ ኢኻ። ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዚዝሕል፡ከምኡ ኸኣ ደርፊ ጨቈንቲ ስቕ ይብል። 6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን+ እዚ ንዅሎም ህዝብታት፡ኣንጕዕ ብዝመልኦ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡ብብሉጽን ብእተጻረየን ወይኒድግስ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡+ድግስ ብሉጽ ወይኒ* ገይሩሎም ኣሎ። 7 ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዅሎም ህዝብታት ኣጐልቢብዎም ዘሎ መግነዝ፡ነቲ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ እተኣልመ መሸፈኒ* ኼጥፍኦ* እዩ። 8 ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ* እዩ።+ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።+ የሆዋ ባዕሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ጸርፊ ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቕ እዩ። 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡“እንሆ፡ እዚ ኣምላኽና እዩ!+ ብእኡ ተስፋ ጌርና፣+ንሱ ኸኣ ኬድሕነና እዩ።+ እዚ የሆዋ እዩ! ብእኡ ተስፋ ጌርና። ብድሕነቱ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን” ኪብሉ እዮም።+ 10 ከመይሲ፡ ኢድ የሆዋ ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዓርፍ እያ፣+ከምቲ ሓሰር ምስ ኵምራ ድዅዒ ዚርገጽ፡ሞኣብ ድማ ኣብ ቦታኡ ኺርገጽ እዩ።+ 11 ከምቲ ሓምባሲ ኺሕምብስ ከሎ ኣእዳዉ ዚዝርግሕ፡ኣእዳዉ ናብኡ ኺዝርግሕ፡ኣእዳዉ ብኽእለት ብምንቅስቓስ ከኣንትዕቢቱ ኼውርዶ እዩ።+ 12 ነታ እተዓርደት ከተማ ድማ፡ ምስቲ ጽኑዕ ነዊሕ መካበብያኻ፡ኬውርዳ እዩ፣ናብ ምድሪ፡ ናብ ሓመድ ኬውድቓ እዩ። 33 ኣታ ዘይጠፋእካ መጥፍኢ፡+ኣታ ዘይተጠለምካ ጠላሚ፡ ወይለኻ! ኣጥፊእካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጠፍእ ኢኻ።+ ጠሊምካ ምስ ወዳእካስ፡ ክትጥለም ኢኻ። 2 ኦ የሆዋ፡ ሞገስ ኣርእየና።+ ተስፋና ብኣኻ እዩ። ንግሆ ንግሆ፡ ቅልጽምና*+ ኹን፣እወ፡ ብግዜ ጭንቂ፡ ድሕነትና ኹን።+ 3 ብደሃይ ህውከት፡ ህዝብታት ይሃድሙ። ምስ ተንሳእካ፡ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።+ 4 በላዒ ኣንበጣ ኸም ዚእከብ፡ ምርኮኹም ኪእከብ እዩ፣ከም ዕስለ ኣንበጣ ኸኣ፡ ሰባት ጐይዮም ኪዓስልዎ እዮም። 5 የሆዋ ኣብ ላዕሊ እዩ ዚነብር እሞ፡ልዕል ኪብል እዩ። ንጽዮን ብፍትሕን ብጽድቅን ኪመልኣ እዩ። 6 ንሱ ርግኣት ግዜያትካ እዩ፣ብዝሒ ድሕነትን+ ጥበብን ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን፡+—እዚ መዝገቡ እዩ። 7 እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ጐደና የእውዩ፡ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ። 8 ጐደናታት ተሓዲጉ፣ብመገድታት ዚጕዓዝ ሓደ እኳ የልቦን። ንሱ* ኺዳን ኣፍሪሱ፣ንኸተማታት ንዒቑ፣ንመዋቲ ሰብ ግዲ የብሉን።+ 9 እታ ምድሪ ትሓዝንን* ትጽምሉን ኣላ። ሊባኖስ ሓፊራ፡+ በዅቢዃ። ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀይና፣ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ኣቝጽልተን ረጊፉ።+ 10 “ሕጂ ኽትንስእ እየ” ይብል የሆዋ፡“ሕጂ ገዛእ ርእሰይ ልዕል ከብል እየ፣+ሕጂ ርእሰይ ከዕቢ እየ። 11 ንቑጽ ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ድማ ትወልዱ። መንፈስኩም ከም ሓዊ ኺበልዓኩም እዩ።+ 12 ህዝብታት ከም ንዳድ ኖራ ኪዀኑ እዮም። ከም እተቘርጸ እሾዅ፡ ብሓዊ ኺባርዑ እዮም።+ 13 ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም፡ እቲ ዝገብሮ ስምዑ! ኣቱም ኣብ ቀረባ ዘለኹም፡ ሓይለይ ፍለጡ! 14 ኣብ ጽዮን ዘለዉ ሓጥኣን ይርዕዱ ኣለዉ፣+ንኸሓድቲ ራዕራዕታ ሒዝዎም ኣሎ፦ ‘ዚባላዕ ሓዊ ኣብ ዘለዎስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧+ ምስ ዘይጸግብ ሃልሃልታስ፡ መን ካባና ኺነብር ይኽእል፧’ 15 እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ፡+ብቕንዕና ዚዛረብ፡+ረብሓ ሸፈጥን ዓመጻን ዚንዕቕ፡ኣእዳዉ ጉቦ ኣብ ክንዲ ዚሕዛስ ዝኣብያ፡+ንዘረባ ምፍሳስ ደም እዝኑ ዚደፍን፡ክፉእ ከይርኢ እውን ኣዒንቱ ዚዕምት፡ 16 ንሱ ኣብ በረኽቲ ኺነብር፡ዕርድታት ኣኻውሕ ከኣ እምባኡ* ኪኸውን፡እንጌራኡ ድማ ኪውሃቦ፡ማዩ እውን ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ።”+ 17 ኣዒንትኻ ንንጉስ ብግርማኡ ኺርእያኦ፡ርሕቕቲ ምድሪ ኺርእያ እየን። 18 ኣብ ልብኻ፡ ሽበራ ኽትዝክር* ኢኻ፦ “ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ፧ እቲ ግብሪ ዝመዘነ ኣበይ ኣሎ፧+ እቲ ግምብታት ዝቘጸረ ኣበይ ኣሎ፧” 19 ነቲ ኸተስተውዕሎ ዜሸግር* ዝቛንቋኡንክትርድኦ ዘይከኣል ወታእ ዝልሳኑንደረቐኛ ህዝቢ ደጊም ኣይክትርእዮን ኢኻ።+ 20 ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ!+ ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ህድእቲ መንበሪት፡ዘይትግዕዝ ድንኳን ኰይና ኺርእያኣ እየን።+ ሽኻላታ ኣይኪምንቈስን፡ኣግማዳ ኸኣ ኣይኪብተኽን እዩ። 21 ኣብኣ ግና እቲ ግርማዊ የሆዋ፡ዞባ ኣፍላግን ሰፊሕ መትረባትን ኪዀነልና እዩ፣ብመቕዘፍ ዚምራሓ መራኽብ ከኣ ናብኡ ኣይኪኣትዋን፡ዓበይቲ መራኽብ እውን ብእኡ ኣይኪሓልፋን እየን። 22 ከመይሲ፡ የሆዋ ፈራዲና፡+የሆዋ ሓጋግ ሕግና፡+የሆዋ ንጉስና እዩ፣+እቲ ዜድሕነና፡ ንሱ እዩ።+ 23 ኣግማድካ ዘሊቑ ጠልጠል ኪብል እዩ፣ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ደው ኣይኬብሎን፡ ነቲ ጋንጽላ እውን ኣይኪግትሮን እዩ። ሽዑ፡ ብዙሕ ምርኮ ኺምቀል እዩ፣ሓንካሳት እኳ ብዙሕ ዘመተ ኺወስዱ እዮም።+ 24 ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ “ሓሚመ” ኣይኪብልን እዩ።+ እቲ ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝብስ፡ ስሕተቱ ኺሕደገሉ እዩ።+ 54 “ደቂ እታ በይና ዘላ፡ካብ ደቂ እታ ምስ ሰብኣይ* ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡+ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ እልል በሊ!+ ኣቲ ቕልውላው ዘይሓዛ፡+ ተሓጐሲ፡ እልል እውን በሊ!”+ ይብል የሆዋ። 2 “ቦታ ድንኳንኪ ኣግፍሒ።+ ዓለባታት ድንኳን እቲ ዓብዪ ማሕደርኪ ዘርግሒ። ኣይትግትኢ፡ ኣግማድ ድንኳንኪ ኣንውሒ፣ሽኻላት ድንኳንኪ እውን ኣበርትዒ።+ 3 ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ። ዘርእኺ ንኣህዛብ ኪወርሶም፡ነተን ዝባደማ ኸተማታት ድማ ኪነብረን እዩ።+ 4 ኣይክትሓንክን ኢኺ እሞ፡+ ኣይትፍርሂ፣+ኣይክትሓፍርን ኢኺ እሞ፡ ውርደት ኣይሰማዕኪ። ሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ውርደት ምብልውናኺ ኸኣ ደጊም ኣይክትዝክርን ኢኺ።” 5 “እቲ ዓብዪ ገባሪኺ+ ኸም ሰብኣይኪ* እዩ፣+ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፣እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ተበጃዊኺ እዩ።+ ንሱ ኣምላኽ ብዘላ ምድሪ ኺብሃል እዩ።+ 6 የሆዋስ ሕድግትን ጕህይትን* ሰበይቲ ኸም ዝዀነት፡+ብንእስነታ ተመርዕያስ ደሓር ከም እተገድፈት ሰበይቲ ገይሩ ጸዊዑኪ” ይብል ኣምላኽኪ። 7 “ንሓጺር ህሞት ሓዲገኪ ነይረ፣ብዓብዪ ምሕረት ግና ክእክበኪ እየ።+ 8 ብዕልቕልቕ ቍጥዓ ንቕጽበት ገጸይ ካባኺ ሓቢአ ነይረ፣+በቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ግና ክምሕረኪ እየ”+ ይብል እቲ ተበጃዊኺ+ የሆዋ። 9 “እዚ ንዓይ ከም ዘመን ኖህ እዩ።+ ከምቲ ማያት ኖህ ንምድሪ ኸም ዘይከድና ዝመሓልኩ፡+ከምኡ ድማ ከም ዘይቍጥዓክን ከም ዘይገንሓክን እምሕል ኣለኹ።+ 10 ኣኽራንሲ ይለግሱ፡ኵርባታት ድማ ይናወጹ ይዀኑ፡ብተኣማንነት ዘርእየኪ ፍቕረይ ግና ካባኺ ኣይኬልግስን፡+ኪዳን ሰላመይ እውን ኣይኪናወጽን እዩ”+ ይብል እቲ ዚምሕረኪ የሆዋ።+ 11 “ኣቲ ውጽዕትን+ ብህቦብላ እተደፍአትን ዘይተጸናንዐትን፡+ኣእማንኪ ምስ ጽኑዕ ጭቃ መንደቕ፡መሰረትኪ ኸኣ ምስ ሰፊሮስ ከንብር እየ።+ 12 ንመጋረዲታትኪ ብሮቢኖስ፡ንኣፍ ደገታትኪ ብዜብለጭልጭ ኣእማን፡*ንዅሉ ዶባትኪ ድማ ብኽቡራት ኣእማን ክገብሮ እየ። 13 ኵሎም ደቅኺ ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም፣+ሰላም ደቅኺ እውን ብዙሕ ኪኸውን እዩ።+ 14 ኣብ ጽድቂ ብጽኑዕ ክትስረቲ፡+ካብ ጭቈና ድማ ክትርሕቂ ኢኺ፣+ገለ እኳ ኣይክትፈርህን፡ ሓደ እኳ ኣይኬሸብረክን እዩ። እዝስ ኣይኪቐርበክን እዩ።+ 15 ዜጥቅዓኪ እንተሎ፡ብትእዛዘይ ኣይኰነን። ንዓኺ ዜጥቅዕ ዘበለ ብሰርኺ ኺወድቕ እዩ።”+ 16 “እንሆ፡ ነቲ ንፈሓም ነፊሑ ዜጕህሮ፡ብዕዮኡ ኸኣ ኣጽዋር ዜፍሪኢደ ጥበበኛ ኣነ እየ ፈጢረዮ። ነቲ ዜዕኑ መጥፍኢ ዝፈጠርክዎ እውን ኣነ እየ።+ 17 ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ፣+ንዅሉ እቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ልሳን ድማ ክትኵንንዮ ኢኺ። እዚ፡ ርስቲ ገላዉ የሆዋ እዩ፣ጽድቆም እውን ካባይ እዩ” ይብል የሆዋ።+ 10 እቶም ጐዳኢ ስርዓታት ዚሰርዑ፡+እቶም ጨቋኒ ትእዛዛት ዜርቅቑ፡ ወይለኦም! 2 ንሳቶምሲ ንጕዳይ ድኻታት ይዓግቱ፣ንትሑታት ህዝበይ ፍትሒ ይኸልኡ፣+ንመበለታት ምርኮኦም ይገብርወን፣ንዘኽታማት* ድማ ይዘምትዎም።+ 3 ብመዓልቲ ምጽብጻብ፡*+ጥፍኣት ካብ ርሑቕ ምስ መጸ፡ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧+ ረድኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም፧+ ሃብትኹምከ* ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም፧ 4 ብዘይካ ኣብ መንጎ እሱራት ምዅርማይ፡ወይ ኣብ መንጎ ቕቱላት ምውዳቕ፡ ዚተርፈኩም የብልኩምን። ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+ 5 “ኣየ! እቲ ኣሶራዊ፡+እቲ ቝጥዓይ ዝገልጸሉ ሻቦጥን+እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ዅነኔይን፡ 6 ኣንጻር ከሓዲ ህዝቢ፡+ኣንጻር ዜነድረኒ ህዝቢ ኽሰድዶ እየ፣ብዙሕ ኪማርኽን ብዙሕ ኪዘምትን፡ከም ጭቃ ድማ ኣብ ጐደናታት ኪረግጾም ክእዝዞ እየ።+ 7 ንሱ ግና ነዚ ኣይኪህቅኖን፡ልቡ እውን ነዚ ኣይኪሓስቦን እዩ፣ኣብ ልቡስ ምጥፋእንሒደት ዘይኰኑ ብዙሓት ኣህዛብ ምምንቋስን እዩ ዘሎ። 8 ንሱስ ከምዚ ይብል እዩ፦ ‘ኵሎም መሳፍንተይሲ ነገስታት ደይኰኑን፧+ 9 ከልኖኸ+ ኸም ከርከሚሽ+ ደይኰነትን፧ ሓማትከ+ ኸም ኣርጳድ+ ደይኰነትን፧ ሰማርያኸ+ ኸም ደማስቆ+ ደይኰነትን፧ 10 ንመንግስትታት እቶም ከንቱ ኣማልኽቲ፡ነተን ቅሩጽ ምስልታተን ካብ ናይ የሩሳሌምን ናይ ሰማርያን ዚበዝሑ፡ ኢደይ ሒዛተን!+ 11 ከምቲ ንሰማርያን ንኸንቱ ኣማልኽታን ዝገበርክዎ፡ንየሩሳሌምን ንጣኦታታን እውን ከምኡዶ ኣይክገብርን እየ፧’+ 12 “የሆዋ፡ ኵሉ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ዚገብሮ ግብሩ ምስ ፈጸመ፡ ንንጉስ ኣሶር ስለቲ ድርቅና ልቡን ስለቲ ዅሩዕን ዕቡይን ጠመተኡን ኪቐጽዖ እዩ።*+ 13 ንሱስ ከምዚ ይብል እዩ፦ ‘ኣነ ጥበበኛ እየ እሞ፡ነዚ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ክገብሮ እየ። ዶባት ህዝብታት ከልግስ፡+መዛግብቶም ድማ ክዘምት፡+ከም ሓያል ከኣ ንነበርቲ ኸምበርክኾም እየ።+ 14 ከምቲ ሰብ ናብ ሰፈር ዑፍ ኢዱ ዚዝርግሕ፡ኢደይ ጥሪት ህዝብታት ክትሕዝ እያ፣ከምቲ ሰብ እተሓድገ እንቋቝሖታት ዚእክብ፡ንብዘላ ምድሪ ኽእክባ እየ! ሓደ እኳ ኣኽናፉ ኣይኬንገብግብን፡ ወይ ኣፉ ኣይኪኸፍትን፡ ወይ ጭቝጭቝ ኣይኪብልን እዩ።’” 15 ፋስሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚቘርጽዶ ልዕል ይብል እዩ፧ መጋዝከ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚምግዝዶ ልዕል ይብል እዩ፧ ሻቦጥሲ+ ነቲ ዜልዕሎዶ ኼወዛውዞ ይኽእል እዩ፧ በትሪኸ ነቲ ብዕንጨይቲ ዘይተገብረዶ ኼልዕሎ ይኽእል እዩ፧ 16 ስለዚ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ኣብ ስቡሓቱ ዕብራን ኪሰድድ እዩ፣+ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ድማ ዜባርዕ ሓዊ ኺውልዕ እዩ።+ 17 ብርሃን እስራኤልሲ+ ሓዊ፡+ቅዱሱ ኸኣ ሃልሃልታ ኪኸውን እዩ፣ንጻህያዩን ንኣሻዅ ቈጥቋጣቱን ብሓንቲ መዓልቲ ኼባርዖን ኪበልዖን እዩ። 18 ንኽብሪ ዱሩን ንግራት ፍረታቱን ጠሪሱ ኼጥፍኦ* እዩ፣ከምቲ ሕሙም ኪማስን ከሎ ዚዀኖ ኪኸውን እዩ።+ 19 እቲ ዝተረፈ ኣእዋም ዱሩ ኸኣ፡ኣዝዩ ሒደት ካብ ምዃኑ እተላዕለ ቘልዓ እኳ ኺዝርዝሮ እዩ። 20 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ኣብ እስራኤል ዚተርፉንእቶም ዘምለጡ ቤት ያእቆብንደጊም ኣብቲ ዝወቕዖም ኣይኪምርኰሱን እዮም፣+የግዳስ፡ ኣብ የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ብተኣማንነት ኪምርኰሱ እዮም። 21 ተረፍ ጥራይ፡ ተረፍ ያእቆብ፡ናብቲ ብርቱዕ ኣምላኽ ኪምለስ እዩ።+ 22 ኦ እስራኤል፡ ህዝብኻከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነስ፡ተረፍ ጥራይ ኪምለሱ እዮም።+ ጥፍኣት ተመዲቡ ኣሎ፣+ፍትሒ* እውን ኪውሕጦም እዩ።+ 23 እወ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝመደቦ ጥፍኣትኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ኺፍጸም እዩ።+ 24 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣታ ኣብ ጽዮን እትቕመጥ ህዝበይ በቲ ብሻቦጥ ዚወቕዓካን+ ከም ግብጺ በትሩ ዜልዕለልካን+ ዝነበረ ኣሶር ኣይትፍራህ። 25 ድሕሪ ቝሩብ ግዜስ እቲ ዅነኔ ኺውዳእ እዩ፣ ቍጥዓይ ከኣ ናብ ጥፍኣቶም ኪቐንዕ እዩ።+ 26 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ንሚድያን ኣብ ከውሒ ዖሬብ ዝሰዓሮ፡+ ሓለንጊ ኼልዕለሉ እዩ።+ በትሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኪኸውን፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ እውን ኬልዕሎ እዩ።+ 27 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጾሩ ኻብ መንኵብካ፡+ኣርዑቱ ድማ ካብ ክሳድካ ኺለግስ እዩ፣+እቲ ኣርዑት ከኣ ብሰንኪ ዘይቲ ኺስበር እዩ።”+ 28 ናብ ዓያት+ መጺኡ፡ብሚግሮን ሓሊፉ ኣሎ፣ኣብ ሚኽማሽ+ ኣቕሑኡ ኣንቢሩ ኣሎ። 29 ብመሳገሪ ተሳጊሮም፡ኣብ ጌባዕ+ ከኣ ይሓድሩ ኣለዉ፣ራማ ራዕራዕ ትብል፡ ናይ ሳኦል ጊብዓ+ ድማ ትሃድም ኣላ።+ 30 ኣቲ ጓል ጋሊም፡ ኣእውዪ፡ ወጭጪ! ኣቲ ላይሻ፡ ጽን በሊ! ይዋእኪ ዓናቶት!+ 31 ማድሜና ሃዲማ ኣላ። ነበርቲ ጌቢም መጸግዒ ደልዮም ኣለዉ። 32 በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ኖብ+ ደው ኪብል እዩ። ኢዱ ድማ ንኸረን ጓል ጽዮን፡ንዅርባ የሩሳሌም የወጣውጠላ ኣሎ። 33 እንሆ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ንጨናፍር ዓጠቕ እናኣበለ ይቘርጾ ኣሎ፣+ነዋሕቲ ኣእዋም ይቝረጹ፡ልዑላን ከኣ ትሕት ይብሉ ኣለዉ። 34 ንጣሻ ዱር ብንዋት ሓጺን* ኪወቕዖ፡ሊባኖስ ከኣ ብኢድ ሓያል ኪወድቕ እዩ። 14 የሆዋስ ንያእቆብ ኪምሕሮ፡+ ንእስራኤል ድማ ከም ብሓድሽ ኪሓርዮ እዩ።+ ኣብ ምድሮም ኬስፍሮም* እዩ፣+ ጓኖት ከኣ ኪጽምበርዎም፡ ምስ ቤት ያእቆብ እውን ኪለግቡ እዮም።+ 2 ህዝብታት ወሲዶም ናብ ቦታኦም ኬምጽእዎም፡ ቤት እስራኤል ድማ ንዓታቶም ኣብ ምድሪ የሆዋ ገላዉን ኣግራድን ገይሮም ኪውንንዎም እዮም፣+ ነቶም ማረኽቶም ኪማርኽዎም፡ ነቶም ብግዲ ዘዕየይዎም ድማ ኪገዝእዎም እዮም። 3 በታ የሆዋ ኻብ ስቓይካን ካብ ህውከትካን ካብቲ እተጻዕነካ ኸቢድ ባርነትን ዜዕርፈካ መዓልቲ፡+ 4 ንንጉስ ባቢሎን ከምዚ ኢልካ ኽትምስለሉ* ኢኻ፦ “እቲ ብግዲ ዜዕዪሲ ኸመይ ኰን እዩ ናብ መወዳእታኡ በጺሑ! እቲ ጭቈናስ ከመይ ኰን እዩ ተወዲኡ!+ 5 የሆዋ ንበትሪ እኩያት፡ንሻቦጥ ገዛእቲ ሰይርዎ፣+ 6 ነቲ ንህዝብታት ብነድሪ ኸየቋረጸ ዚወቕዖም፡+ነቲ ብቐጻሊ ብምስጓጕ ንኣህዛብ ዚገዝኦም ሰይርዎ።+ 7 ብዘላ ምድሪ ብዘይ ረብሻ ዓሪፋ። ሰባት እልል ይብሉ።+ 8 ኣእዋም ጽሕድን*ቄድሮሳት ሊባኖስን እኳ፡‘ንስኻ ኻብ እትወድቕ ኣትሒዙ፡ቈራጺ ዕንጨይቲ ናባና ኣይደየበን’ ኢሎም ብዛዕባኻ ይሕጐሱ። 9 ኣብ ታሕቲ ዘሎ መቓብር* እኳ፡ክትመጽእ ከለኻ ኪቕበለካ ይለዓዓል። ብሰንክኻ ንዅሎም እቶም ብሞት እተሰነፉ፡ንዅሎም ጨቈንቲ መራሕቲ* ምድሪ የበራብሮም። ንዅሎም ነገስታት ኣህዛብ ካብ ዝፋናቶም የተንስኦም። 10 ኵላቶም ይዛረቡ፡ ከምዚ እውን ይብሉኻ፦ ‘ንስኻ እውንዶ ኸማና ድኹም ኴንካ፧ ንስኻዶ ኸማና ዄንካ፧ 11 ትምክሕትኻን ደሃይ በገናኻንናብ መቓብር* ወሪዱ።+ እቡባት ኣብ ትሕቴኻ ኸም ዓራት ተዘርጊሖም፡ሓሳኹ ድማ መደረብታኻ ዀይኖም።’ 12 ኣታ ብሩህ ወዲ ወጋሕታ፡ከመይ ኰን ኢኻ ኻብ ሰማይ ዝወደቕካ! ኣታ ንኣህዛብ ዝሰዓርካ፡+ከመይ ኰን ኢኻ ተቘሪጽካ ናብ ምድሪ እተደርበኻ! 13 ንስኻስ ብልብኻ፡ ‘ናብ ሰማያት ክድይብ እየ።+ ዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብል፡+ኣብ ከረን ኣኼባ፡ኣብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ድማ ክቕመጥ እየ።+ 14 ኣብ ልዕሊ ጫፍ ደበናታት ክድይብ፡ነቲ ልዑል ድማ ክመስል እየ’ ኢልካ ኔርካ። 15 ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ መቓብር፡*ናብ መዓሙቝ ጕድጓድ ክትወርድ ኢኻ። 16 እቶም ዚርእዩኻ ኺጥምቱኻ እዮም፣ከምዚ እናበሉ ተጠንቂቖም ኪምርምሩኻ እዮም፦ ‘ንምድሪ ዜናውጻ፡ንመንግስትታት ድማ ዜንቀጥቅጥ ዝነበረ ሰብሲ እዚ ድዩ፧+ 17 ንዓለም ከም በረኻ ዝገበራ፡ንኸተማታታ ኸኣ ዝገልበጠ፡+ንእሱራቱ እውን ናብ ቤቶም ከይከዱ ዝኣበየስ እዚ ድዩ፧’+ 18 ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፡ነፍሲ ወከፎም ኣብ መመቓብሮም፡*እወ፡ ኵላቶም ብኽብሪ በጥ ይብሉ። 19 ንስኻ ግና ከም ፍንፉን ጠጥዒ፡*ከም እተረግጸ ሬሳ፡በቶም ናብ ጕድጓድ ኣእማን ዝወረዱብሰይፊ እተወግኡ ቕቱላት ተኸዲንካ፡ብዘይ መቓብር ተደርቢኻ ኣለኻ። 20 ንምድርኻ ኣጥፊእካያ፡ንህዝብኻ ድማ ቀቲልካዮም ኢኻ እሞ፡ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ። ዘርኢ ገበርቲ እከይ ከም ብሓድሽ ከቶ ኣይኪስመን እዩ። 21 ከይትንስኡ እሞ፡ ንምድሪ ኸይቈጻጸርዋ፡ንዓለም ድማ ብኸተማታቶም ከይመልእዋስ፡ብሰሪ ስሕተት ኣቦታቶም፡ንደቁ መሕረዲ ኣዳልዉ።” 22 “ኣነ ኣንጻሮም ክትንስእ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “ስምን ተረፍን ዘርእን ሓድግን ካብ ባቢሎን ክድምስስ እየ”+ ይብል የሆዋ። 23 “ርስቲ ቕንፍዝን ቦታ ዓዘቕትን ክገብራ፡ ብመዀስተር ጥፍኣት ከኣ ክዅስትራ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 24 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ ምሒሉ ኣሎ፦ “ከምቲ ዝሓለንክዎ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ፣ከምቲ ዝወሰንክዎ፡ ከምኡ ኺፍጸም እዩ። 25 ነቲ ኣሶራዊ ኣብ ምድረይ ክሕምሽሾ፡ኣብ ኣኽራነይ ድማ ክረግጾ እየ።+ ኣርዑቱ ኻባታቶም ኪእለ፡ጾሩ እውን ካብ መንኵቦም ኪእለ እዩ።”+ 26 ኣንጻር ኵላ ምድሪ እተወሰነ* እዚ እዩ፣ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ እተዘርግሐት* ኢድ ከኣ እዚኣ እያ። 27 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ካብ መደበስ፡መን ኬተዓናቕፎ ይኽእል፧+ ኢዱ ኻብ ተዘርግሐትሲ፡መን ኪመልሳ ይኽእል፧+ 28 በታ ንጉስ ኣሓዝ ዝሞተላ ዓመት፡+ እዚ ኸቢድ መልእኽቲ እዚ ተዘርበ፦ 29 “ካብ ሱር ተመንሲ+ መርዛም ተመን ኪወጽእ፡+ውላዱ ኸኣ በራሪ ዜንድድ ተመን* ኪኸውን እዩ እሞ፡ሻቦጥ እቲ ዚወቕዓኪ ስለ እተሰብረ፡ኵልኺ ፍልስጥኤም፡ ኣይትተሓጐሲ። 30 በዅራት እቶም ትሑታት ኪምገቡ፡ድኻታት ድማ ብደሓን በጥ ኪብሉ ኸለዉ፡ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፣ካባኺ ዝተረፈ እውን ኪቕተል እዩ።+ 31 ኣታ ኣፍ ደገ፡ ዋይዋይ በል! ኣቲ ኸተማ፡ ኣእውዪ! ኵልኺ ፍልስጥኤም፡ ጃጅዊ! ካብ ሰሜንሲ ትኪ ይመጽእ ኣሎ፣ካብ መስርዑ ዚፍለ ኸኣ የብሎምን።” 32 ንልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢሎም እዮም ኪምልሱሎም፧ የሆዋ፡ መሰረት ጽዮን ከም ዝሰረተ፡+ትሑታት ህዝቡ ድማ ኣብኣ ኸም ዚምዕቈቡ። 65 “ዘይሓተቱለይ ኪደልዩኒ ፈቒደ፣ዘይደለዩኒ ድማ ኪረኽቡኒ ፈቒደ።+ ስመይ ንዘይጽውዕ ህዝቢ፡ ‘እነኹ፡ እነኹ!’ ኢለዮም።+ 2 ንነቓጽ ህዝቢ፡+ነቲ ሓሳብ ርእሱ ስዒቡ ጽብቕቲ ብዘይኰነት መገዲ ዚመላለስ፡+ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጊሐሉ፣+ 3 ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ብምስዋእን+ ኣብ ሕጡባት ብምዕጣንንደጋጊሞም ኣብ ገጸይ ንዘዀረዩኒ ህዝቢ ኸምኡ ገይረሎም።+ 4 ኣብ መንጎ መቓብራት ይቕመጡ፣+ኣብ ሕቡእ ቦታታት* ይሓድሩ፣ስጋ ሓሰማ ይበልዑ፣+መረቕ ፍንፉን* ነገር ድማ ኣብ ኣቕሑኦም ኣሎ።+ 5 ‘ኣነ ኻባኻ ብዝያዳ ቕዱስ እየ እሞ፡*ርሓቕ፣ ኣይትቕረበኒ’ ይብሉ። እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፡ ምሉእ መዓልቲ ዚነድድ ሓዊ እዮም። 6 እንሆ፡ ኣብ ቅድመይ ተጻሒፉ ኣሎ፣ክፈድዮም እየ እምበር፡+ኣይክዓርፍን እየ፣መስፈሪ መሊአ* ኽፈድዮም እየ፣ 7 ንስሕተቶምን ንስሕተት ኣቦታቶምን ብሓንሳእ ገይረ ኽፈድዮም እየ”+ ይብል የሆዋ። “ኣብ ኣኽራን ስለ ዝዓጠኑ፡ኣብ ኵርባታት ድማ ስለ ዝጸረፉኒ፡+ቅድም ምሉእ* ዓስቦም ክሰፍረሎም እየ።” 8 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ከምቲ ጕዕሽ ወይኒ ኻብ ዘለላ ወይኒ ዚርከብ እሞ፡‘ጽቡቕ ነገር* ኣለዎ እሞ፡ ኣይተጥፍእዎ’ ዚብሃል፡ምእንቲ ገላዎይ ከምኡ ኽገብር እየ፣ንዅላቶም ኣይከጥፍኦምን እየ።+ 9 ካብ ያእቆብ ዘርኢ፡ካብ ይሁዳ ኸኣ ወራስ ኣኽራነይ ከውጽእ እየ፣+ሕሩያተይ ኪርስተይዋ፡ገላዎይ ድማ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።+ 10 ነቲ ዚደልየኒ ህዝበይ ከኣ፡ሳሮን+ መጓሰዪ ኣባጊዕ፡ስንጭሮ* ዓኮር+ እውን መዕረፍ ከብቲ ኪኸውን እዩ። 11 ንስኻትኩም ግና ካብቶም ንየሆዋ ዚሓድጉ፡+ካብቶም ንቕዱስ ከረነይ ዚርስዑ፡+ካብቶም ንኣምላኽ ጽቡቕ ዕድል መኣዲ ዚሰርዑ፡ካብቶም ንኣምላኽ ጽሕፍቶ ጽዋኣት እተሓዋወሰ ወይኒ ዚመልኡ ኢኹም። 12 ስለዚ፡ ንሰይፊ ኽምድበኩም እየ፣+ኵላትኩም ከኣ ንማሕረዲ ኽትጕምብሑ ኢኹም፣+ከመይሲ፡ ጸዊዐ፡ ኣይመለስኩምን፡ተዛሪበ፡ ኣይሰማዕኩምን፣+ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ዘበለ ጌርኩም፡ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሓሪኹም ኢኹም።”+ 13 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ገላዎይ ኪበልዑ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም።+ እንሆ፡ ገላዎይ ኪሰትዩ፡+ ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም። እንሆ፡ ገላዎይ ኪሕጐሱ፡+ ንስኻትኩም ግና ክትሓፍሩ ኢኹም።+ 14 እንሆ፡ ገላዎይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ እዮም፣ንስኻትኩም ግና ብሰንኪ ስቓይ ልቢ ኽትግዕሩ፡ብሰንኪ ስቡር መንፈስ ድማ ዋይዋይ ክትብሉ ኢኹም። 15 ሕሩያተይ ንመራገሚ ዚገብርዎ ስም ክትሓድጉ ኢኹም፣እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍኩም ኪቐትለኩም እዩ፣ንገላዉኡ ግና ብኻልእ ስም ኪጽውዖም እዩ።+ 16 በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ምድሪ ንርእሱ በረኸት ዚደሊ ዘበለ፡ብኣምላኽ ሓቂ* ኺባረኽ፡ኣብ ምድሪ ዚምሕል ዘበለ ድማ፡ብኣምላኽ ሓቂ* ኺምሕል እዩ።+ እቲ ናይ ቀደም ጭንቅስ* ኪርሳዕ፡ካብ ኣዒንተይ ከኣ ኪኽወል እዩ።+ 17 እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን እፈጥር ኣለኹ፣+እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን፡ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።+ 18 እንሆ፡ የሩሳሌም ንሓጐስ፡ህዝባ ድማ ንፍስሃ እፈጥር ኣለኹ እሞ፡በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ዘለኹ ተፈስሁ፡ ንዘለኣለም እውን ተሓጐሱ።+ 19 ብየሩሳሌም ክሕጐስ፡ ብህዝባ ኸኣ ክፍሳህ እየ፣+ደሃይ ብኽያት ኰነ ኣውያት ጭንቂ ኣብኣ ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።”+ 20 “ሒደት መዓልትታት ጥራይ ዚነብር ሕጻን ኰነ፡ምሉእ ዕድሚኡ ዘይነብር ኣረጊት ኣብኣ ኣይኪርከብን እዩ፣ከመይሲ፡ ሚእቲ ዓመት ገይሩ ዚመውት ብንእስነቱ ኸም ዝሞተ ኪቝጸር እዩ፣ሓጥእ ድማ ሚእቲ ዓመት እኳ እንተ ገበረ፡ ኪርገም እዩ።* 21 ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣+ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም።+ 22 ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። ዕድመ ህዝበይሲ ኸም ዕድመ ኦም ኪኸውን እዩ፣+ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም። 23 ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን፡+ንጭንቂ ኸኣ ደቂ ኣይኪወልዱን እዮም፣ከመይሲ፡ ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብየሆዋ እተባረኹ እዮም፣+ውሉዳቶም እውን ምሳታቶም።+ 24 ከይጸውዑ እኳ ኽምልሰሎም፡ገና ኺዛረቡ ኸለዉ ድማ ክሰምዖም እየ። 25 ተዅላን ዕየትን ብሓደ ኺበልዑ እዮም፣ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ፡+ተመን ከኣ ሓመድ ኪቕለብ እዩ። ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን፡ ኣይኬጥፍኡን እዮም”+ ይብል የሆዋ። 66 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰማያት ዝፋነይ እዩ፣ ምድሪ ኸኣ ድኳ እግረይ እያ።+ እታ ኽትሃንጹለይ እትኽእሉ ቤት ደኣ ኣበይ ኣላ፧+ እታ ዝዓርፈላ ቦታኸ ኣበይ ኣላ፧”+ 2 “ኢደይ እያ ነዚ ዅሉ ዝገበረቶ፣በዚ ኸምዚ ድማ እዩ እዚ ዅሉ ዀይኑ” ይብል የሆዋ።+ “ግናኸ፡ ናብዚ፡ናብዚ ትሑትን ስቡር ዝመንፈሱን ብቓለይ ራዕራዕ ዚብልን* ክጥምት እየ።+ 3 እቲ ብዕራይ ዚሓርድ፡ ከምቲ ንሰብ ዚቐትል እዩ።+ እቲ በጊዕ ዚስውእ፡ ከምቲ ኽሳድ ከልቢ ዚሰብር እዩ።+ እቲ መባእ ዜቕርብ፡ ከምቲ ደም ሓሰማ ዜቕርብ እዩ።+ እቲ ንመዘከርታ ጻዕዳ ዕጣን ዜቕርብ፡+ ከምቲ ብስሒራዊ ቓላት ዚባርኽ* እዩ።+ መገድታት ርእሶም ሓርዮም፣ብጽያፍ ከኣ ደስ ይብሎም።* 4 ስለዚ፡ ንዓታቶም ዝቐጽዓሉ መገድታት ክሓሪ እየ፣+እቲ ዚፈርህዎ ድማ ከውርደሎም እየ። ጸዊዐስ፡ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፣ተዛሪበስ፡ ዝሰምዓኒ ኣይነበረን።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ዘበለ ገይሮም፣ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሓርዮም።”+ 5 ኣቱም ብቓሉ ራዕራዕ እትብሉ፡* ቃል የሆዋ ስምዑ፦ “እቶም ዚጸልኡኹምን ስለ ስመይ ዜግልሉኹምን ኣሕዋትኩም፡ ‘የሆዋ ይከበር!’ በሉ፣+ንሱ ግና ኪርአን ሓጐስ ኬምጽኣልኩምን እዩ፣ንሳቶም ድማ ኪሓፍሩ እዮም።”+ 6 ካብ ከተማ ደሃይ ያዕያዕታ፡ ካብ ቤተ መቕደስ ደሃይ ይስማዕ ኣሎ! ደሃይ እቲ የሆዋ ንጸላእቱ ዚግብኦም ኪፈድዮም ከሎ ዚስማዕ እዩ። 7 ቅልውላው ከይሓዛ፡ ወሊዳ።+ ከይተጻዕረት፡ ተባዕታይ ሕጻን ወሊዳ። 8 ከምዚ ዝበለ መን ሰሚዑ ይፈልጥ፧ ከምዚ ዝበለኸ መን ርእዩ ይፈልጥ፧ ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ትውለድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንሳእ ይውለድ እዩ፧ ግናኸ፡ ጽዮን ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወሊዳ። 9 “ኣነ ኽሳዕ ምውላድ ኣብጺሐስ፡ ከም ዚውለድ ኣይገብርንዶ፧” ይብል የሆዋ። “ኣነ ኸም ዚውለድ ገይረስ፡ ንማሕጸን እዓጹዶ፧” ይብል ኣምላኽኪ። 10 ኣቱም እትፈትውዋ፡ ምስ የሩሳሌም ተሓጐሱ፡ ምስኣ እውን ባህ ይበልኩም።+ ኣቱም ብእኣ እትሓዝኑ ዅላትኩም፡ ምስኣ ኣዚኹም ተፈስሁ፣ 11 ክትጠብዉን ካብ ኣጥባት መጸናንዒኣ ኽትጸግቡን ኢኹም፣ኣጸቢቕኩም ክትሰትዩ ኢኹም፣ ብብዝሒ ኽብራ ድማ ደስ ኪብለኩም እዩ። 12 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ሰላም ከም ፈለግ፡+ክብሪ ኣህዛብ ድማ ከም ውሒዝ እህባ ኣለኹ።+ ንስኻትኩም ከኣ ክትጠብዉ፡ ኣብ ጐድኒ ኽትሕቈፉ፡ኣብ ኣብራኽ ድማ ክትሰራሰሩ ኢኹም። 13 ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ከምኡ ኣነ ኸጸናንዓኩም እየ፣+ብየሩሳሌም ከኣ ክትጸናንዑ ኢኹም።+ 14 እዚ ኽትርእዩ፡ ልብኹም ድማ ኪሕጐስ፡ኣዕጽምትኹም እውን ከም ለምለም ሳዕሪ ኺጥጥዕ እዩ። ኢድ የሆዋ ንገላዉኡ ኽትፍለጥ እያ፣ንጸላእቱ ግና ኪዅንኖም እዩ።”+ 15 “ነድሪ ቝጥዓኡ ኺፈዲ፡ብሃልሃልታ ሓዊ ኸኣ ኪገንሕሲ፡+የሆዋ ኸም ሓዊ ኺመጽእ እዩ፣+ሰረገላታቱ ድማ ከም ህቦብላ ንፋስ እዩ።+ 16 የሆዋስ ብሓዊ ፍርዲ ኺፍጽም፡እወ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ* ብሰይፉ ኸምኡ ኺገብር እዩ፣እቶም ቅቱላት የሆዋ ኸኣ ብዙሓት ኪዀኑ እዮም። 17 “እቶም ነቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ስዒቦም ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ* ኺኣትዉ ዚቕደሱን ዚጸርዩን፡+ እቶም ስጋ ሓሰማን+ ፍንፉን ነገርን ኣንጭዋን+ ዚበልዑ፡ ኵላቶም ብሓደ ኺውድኡ እዮም” ይብል የሆዋ። 18 “ኣነ ብዛዕባ ግብርታቶምን ሓሳባቶምን ስለ ዝፈልጥ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ክእክብ እመጽእ ኣለኹ፣ መጺኦም ድማ ክብረይ ኪርእዩ እዮም።” 19 “ኣብ መንጎኦም ትእምርቲ ኽገብር እየ፣ ገለ ኻብቶም ዜምልጡ ድማ ናብቶም ብዛዕባይ ወረ ዘይሰምዑ፡ ክብረይ እውን ዘይረኣዩ ኣህዛብ፡—ናብ ተርሲስን+ ጱልን ሉድን+ ናብቶም ቀስቲ ዚግትሩን ናብ ቱባልን ያዋንን+ ናብ ርሑቓት ደሴታትን፡—ክሰድድ እየ፣ ክብረይ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪእውጁ እዮም።+ 20 ከምቲ ህዝቢ እስራኤል ንመባኦም ኣብ ጽሩይ ኣቕሑ ገይሮም ናብ ቤት የሆዋ ዜምጽእዎ፡ ንዅሎም ኣሕዋትኩም ብኣፍራስን ብሰረገላታትን ብሽፉናት ሰረገላታትን ብኣባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ካብ ኵሎም ኣህዛብ ክሳብ እቲ ቕዱስ ከረነይ የሩሳሌም ንየሆዋ መባእ ገይሮም ኬምጽእዎም እዮም”+ ይብል የሆዋ። 21 “ካህናትን ሌዋውያንን ዚዀኑ ኸኣ ካባታቶም ክወስድ እየ” ይብል የሆዋ። 22 “ከምቲ እቲ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን+ ኣብ ቅድመይ ቈይሙ ዚነብር፡” ይብል የሆዋ፡ “ከምኡ ድማ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ።”+ 23 “ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ፡ ካብ ሰንበት ክሳዕ ሰንበት፡ኵሉ ስጋ* ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ”+ ይብል የሆዋ። 24 “ወጺኦም ከኣ ሬሳታት እቶም ካባይ ዝዓለዉ ኺርእዩ እዮም፣ሓሰኻኦምሲ ኣይኪመውትን፡ሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ፣+ንዅሉ ሰብ* እውን ዜስገድግዱ ኪዀኑ እዮም።” 43 ሕጂ ድማ፡ ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠረካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ+የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+ ኣነ ብስምካ ጸዊዐካ እየ። ንስኻ ናተይ ኢኻ። 2 ብማያት ምስ እትሓልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ኣፍላግ ምስ እትሳገር፡ ኣይኬዕለቕልቐካን እዩ።+ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትሓርርን ኢኻ፣ሃልሃልታ እውን ኣይኪልብልበካን እዩ። 3 ከመይሲ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ፡ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ። ንግብጺ በጃኻ፡ንኢትዮጵያን ንሴባን ከኣ ኣብ ክንዳኻ ሂበ። 4 ኣብ ኣዒንተይሲ ኽቡር ኴንካ፣+እወ፡ እተኸበርካ ዄንካ፣ ኣነ እውን ኣፍቂረካ።+ ስለዚ፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ኣብ ክንዲ ህይወትካ* ኸኣ ኣህዛብ ክህብ እየ። 5 ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+ ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦ፡ካብ ምዕራብ ድማ ክኣኻኽበካ እየ።+ 6 ንሰሜን፡ ‘ሕደጎም!’ ክብሎ፡+ንደቡብ ከኣ፡ ‘ኣይትሓዞም። ንኣወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ንኣዋልደይ ድማ ካብ ወሰናት ምድሪ ኣምጽኣዮም፣+ 7 ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉ፡+ንኽብረይ ዝፈጠርክዎንዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን ኣምጽእ’ ክብሎ እየ።+ 8 ነቶም ኣዒንቲ ኸለዎምሲ ዕዉራት፡ኣእዛን ከለዎም ከኣ ጸማማት ዝዀኑ ህዝቢ ኣውጽኣዮም።+ 9 ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ሓደ ይተኣከቡ፣ህዝብታት ድማ ብሓባር ይተኣከቡ።+ ካባታቶምሲ እዚ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧ ነቲ ቐዳማይከ* ኼስምዑናዶ ይኽእሉ እዮም፧+ ቅኑዓት ምዃኖም ኬርእዩስ መሰኻኽሮም የቕርቡ! ወይስ ሰሚዖም፡ ‘እዚ ሓቂ እዩ!’ ይበሉ።”+ 10 “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም”+ ይብል የሆዋ፡“እወ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡን ብኣይ ምእንቲ ኽትኣምኑን*ኣነ ወትሩ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትርድኡንሲ፡+ዝሓረኽዎ ጊልያይ ኢኹም።+ ቅድመይ ኣምላኽ ኣይተደኰነን፣ድሕረይ እውን ኣይኰነን።+ 11 ኣነ፡ ኣነ የሆዋ እየ፡+ ብዘይካይ መድሓኒ የልቦን።”+ 12 “ጓና ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም ከይሃለወ፡+ዝነገርኩን ዘድሓንኩን ዘፍለጥኩን ኣነ እየ። ስለዚ፡ ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ ኸኣ ኣምላኽ እየ።+ 13 ኣነ እውን ወትሩ ኣነ እየ፣+ካብ ኢደይ ኪምንዝዕ ዚኽእል የልቦን።+ ምስ ገበርኩስ፡ መን ኪኽልክል ይኽእል፧”+ 14 የሆዋ እቲ ተበጃዊኹም፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ክልእኽ፡ ንዅሉ ተገዳም ኣፍ ደገታት ከውርድ እየ፣+ከለዳውያን ድማ ኣብ መራኽቦም ብጭንቂ ኸእውዩ እዮም።+ 15 ኣነ የሆዋ እቲ ቕዱስኩም፡+ ፈጣር እስራኤል፡+ እቲ ንጉስኩም+ እየ።” 16 እቲ ኣብ ባሕሪ ጐደና፡ኣብ መንጎ ዚናወጽ ማያት ከኣ መገዲ ዚገብር+የሆዋ ኸምዚ ይብል፣ 17 እቲ ንሰረገላን ንፈረስንንሰራዊት ምስ ሓያላት ጀጋኑ ዜውጽእ፡ ከምዚ ይብል፦+ “በጥ ኪብሉ፡ ኣይኪትንስኡን ድማ እዮም።+ ኪጠፍኡ፡ ከም ዚነድድ ፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ኪቕህሙ እዮም።” 18 “ነቲ ዝቐደመ ኣይትዘክሩ፡ነቲ ዝሓለፈ ድማ ኣይትሕሰቡ። 19 እንሆ፡ ሓድሽ ነገር እገብር ኣለኹ፣+ሕጂ እኳ ይቕልቀል ኣሎ። ኣይተለልይዎን ዲኹም፧ ኣብ በረኻ መገዲ፡+ኣብ ምድረ በዳ ኸኣ ኣፍላግ ክገብር እየ።+ 20 ህዝበይ እቲ ሕሩየይ+ ምእንቲ ኺሰቲ፡ኣብ በረኻ ማይ፡ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣፍላግ ክህብ እየ እሞ፡+እንስሳ መሮር፡ወኻሩን* ሰገናትን ኬኽብሩኒ እዮም። 21 እቲ ንዓይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ፡ውዳሰይ ምእንቲ ኺነግር፡ ከምኡ ኽገብር እየ።+ 22 ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል፡ ብኣይ ስለ ዝሰልከኻ፡+ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ኣይጸዋዕካንን።+ 23 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኻ ኪኸውን በጊዕ ኣየምጻእካለይን፡ብመስዋእቲ ኸኣ ኣየኽበርካንን። መባእ ከተምጽእ ኣየገደድኩኻን፣ጻዕዳ ዕጣን ደልየ ድማ ኣየድከምኩኻን።+ 24 ጥዑም ቃንጫ* ብገንዘብ ኣይዓደግካለይን፣ብስብሒ መስዋእትኻ እውን ኣየጽገብካንን።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሓጢኣትካ ጾር ኣኽቢድካለይ፣ብስሕተትካ ኸኣ ኣድኪምካኒ።+ 25 ኣነ፡ ኣነ ንኣበሳኻ* ምእንታይ ኢለ+ ዝድምስስ እየ፣+ሓጢኣትካ ድማ ኣይክዝክሮን እየ።+ 26 ኣዘክረኒ፣ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘሎ ነገር ነቕርብ፣ቅኑዕ ምዃንካ ኸተርእስ ብወገንካ እትብሎ ተዛረብ። 27 እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጥአ፣እቶም ኣፈኛታትካ* ኸኣ ካባይ ዓለዉ።+ 28 ስለዚ፡ ንመሳፍንቲ እታ መቕደስ ከርክሶም፡ንያእቆብ ከኣ ከጥፍኦ፡ንእስራኤል እውን ኣደዳ ጸርፊ ኽገብሮ እየ።+ 9 ግናኸ፡ እቲ ድነ ኸምቲ እታ ሃገር ኣብ ጭንቂ ዝነበረትሉ፡ ከምቲ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን ዚንዓቓሉ ዝነበራ ናይ ቀደም ግዜ ኣይኪኸውንን እዩ።+ ኣብ ዳሕራይ ግዜ ግና፡—ንመገዲ ባሕሪ፡ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ንናይ ኣህዛብ ገሊላ፡—ኬኽብራ እዩ። 2 እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ፡ዓብዪ ብርሃን ርእዩ። ነቶም ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ጽላሎት ዚነብሩ፡ብርሃን በሪሁሎም።+ 3 ነቲ ህዝቢ ኣብዚሕካዮ፣ንሓጐሱ ኣዕቢኻዮ። ከምቶም ብግዜ ቐውዒ ዚሕጐሱ፡ከምቶም ብታሕጓስ ምርኮ ዚማቐሉ ህዝቢ፡ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ። 4 ከመይሲ፡ ከም ብመዓልቲ ሚድያን፡ንኣርዑት ጾሮምን ንበትሪ መንኵቦምንንሻቦጥ ኣዕያይኦምን ሰባቢርካ ኣለኻ።+ 5 ኪስጕም ከሎ ንምድሪ ዜንቀጥቅጥ ዘበለ ዅሉ ነዊሕ ሳእንንብደም ዝጠልቀየ ዅሉ ኽዳንን፡ሓዊ ኺበልዖ እዩ። 6 ውሉድሲ ተወሊዱልና፣+ወዲ ተዋሂቡና፣ግዝኣት* ከኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ።+ ስሙ ድማ ግሩም መኻሪ፡+ ብርቱዕ ኣምላኽ፡+ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ። 7 ብፍትሕን+ ብጽድቅን+ካብ ሕጂ ንዘለኣለምምእንቲ ኺስርታን ኬጽንዓን፡+ኣብ ዝፋን ዳዊትን+ ኣብ መንግስቱንሲ፡ንዕቤት ግዝኣቱንንሰላሙን መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ።+ ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብሮ እዩ። 8 የሆዋ ኣንጻር ያእቆብ ቃል ሰዲዱ፣እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጺኡ።+ 9 ኵሎም እቶም ህዝቢ፡—ኤፍሬምን ነበርቲ ሰማርያን፡—ከኣ ኪፈልጥዎ፡ብትዕቢቶምን ብድርቅና ልቦምን ድማ ከምዚ ኺብሉ እዮም፦ 10 “ሕጡባት ፈሪሱ፣ግናኸ፡ ብውቑር እምኒ ኽንሃንጽ ኢና።+ ኣእዋም ሳግላ ተቘሪጹ፣ግናኸ፡ ብቄድሮሳት ክንትክኦ ኢና።” 11 የሆዋ ንረጺን፡ ንተጻረርቱ ኣብ ልዕሊኡ ኼተንስኣሉ፡ንጸላእቱ እውን ንተግባር ኬለዓዕሎም እዩ። 12 ሶርያ ኻብ ምብራቕ፡ ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡*+ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ኪውሕጥዎ እዮም።+ ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+ 13 እቶም ህዝብስ ናብቲ ዚወቕዖም ኣይተመልሱን፣ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን።+ 14 የሆዋ ድማ ካብ እስራኤል፡ርእስን ጭራን፡ ጨንፈርን ሰትን* ብሓንቲ መዓልቲ ኪቘርጽ እዩ።+ 15 እቲ ሽማግለን እቲ ሕፉርንሲ ርእሲ፡እቲ ሓሶት ዚምህር ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ።+ 16 እቶም ነዞም ህዝቢ እዚኦም ዚመርሕዎም፡ የስሕትዎም፡እቶም ዚምርሑ ኸኣ፡ ይደናገሩ ኣለዉ። 17 ኵላቶም ከሓድትን ገበርቲ እከይን እዮም፡+ኵሉ ኣፍ ድማ ዕሽነት ይዛረብ ኣሎ እሞ፡ስለዚ፡ የሆዋ ብኣጕባዞም ኣይኪሕጐስን፡ንዘኽታማቶምን* ንመበለታቶምን ድማ ኣይኪምሕርን እዩ። ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+ 18 እከይሲ ኸም ሓዊ ይነድድ፡ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን ድማ ይበልዕ እዩ። ንጣሻ ዱር ኬባርዖ፡ዑብ ዚብል ትኪ ዀይኑ ኸኣ ኪዓርግ እዩ። 19 ብነድሪ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡እታ ምድሪ ኽትባራዕ፡እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ሓዊ ነዳዲ ኪዀንዎ እዮም። ዋላ ሓደ ንሓዉ እኳ ኣይኪንሕፍን እዩ። 20 ገሊኡ ኸኣ ብየማን ኪቘርጽ፡ግናኸ ኺጠሚ እዩ፣ገሊኡ ድማ ብጸጋም ኪበልዕ፡ግናኸ ኣይኪጸግብን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ካብ ቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ፣ 21 ምናሴ ንኤፍሬም፡ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ኺበልዖ እዩ። ብሓደ ድማ ኣንጻር ይሁዳ ኪዀኑ እዮም።+ ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+ 27 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ብተሪርን ዓብይን ብርቱዕን ሰይፉ ኣቢሉ+ቈላሕታኡ ናብ ሌዋታን* እቲ ሰተተት ዚብል ተመን፡ናብ ሌዋታን እቲ ዚለዋወ ተመን ኪገብር እዩ፣ነቲ ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ኸኣ ኪቐትሎ እዩ። 2 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከምዚ ኢልኩም ዘምሩላ፦* “ኣታኽልቲ ወይኒ እቲ ዚዓፍር ወይኒ!+ 3 ኣነ የሆዋ እሕልዋ ኣለኹ።+ ኵሉ ግዜ ማይ አስትያ እየ።+ ሓደ እኳ ኸይጐድኣስ፡+ለይትን መዓልትን እሕልዋ እየ። 4 ቍጥዓ የብለይን።+ ብኣሻዅ ቈጥቋጥን ብጻህያይን ኣብ ውግእ ዚገጥመኒ መን እዩ፧ ክረግጾን ንዅሉ ብሓባር ብሓዊ ኸንድዶን እየ። 5 እንተ ዘይኰነስ፡ ዕርደይ ይሓዝ። ምሳይ ሰላም ይግበር፣ሰላም ምሳይ ይግበር።” 6 በተን ዚመጻ መዓልትታት፡ ያእቆብ ሱር ኪሰድድ፡እስራኤል ድማ ኪዕምብብን ኪጥጥዕን እዩ፣+ነታ ምድሪ ኸኣ ብፍርያት ኪመልእዋ እዮም።+ 7 ብመውቃዕቲ እቲ ዚወቕዖዶ ይወቓዕ፧ ብመቕተልቲ እቶም ቅቱላቱዶኸ ይቀተል፧ 8 ክትሰድዳ ኸለኻ፡ ብዜሰምብድ ጭድርታ ኽትብኣሳ ኢኻ። ብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ፡ ብብርቱዕ ሃፈጽታ ኼውጽኣ እዩ።+ 9 ስለዚ፡ ስሕተት ያእቆብ በዚ ኸምዚ ብዕርቂ ኪኽደን፡+ሓጢኣቱ ምስ ኣልገሰ፡ እዚ ምሉእ ፍሪኡ ኪኸውን እዩ፦ ንዅሉ ኣእማን መሰውኢከም ዝደቐቐ እምኒ ኖራ ኺገብሮ፡ዓንዲ ኣምልኾ* ወይ መሰውኢ ዕጣን ድማ ኣይኪተርፍን እዩ።+ 10 ከመይሲ፡ እታ እተዓርደት ከተማ ክትጥንጠን እያ፣እቲ መጓሰዪታት ከኣ ከም በረኻ ኪሕደግን ኪግደፍን እዩ።+ ኣብኣ ምራኽ ኪጓሰን በጥ ኪብልንጨናፍራ ኺበልዕን እዩ።+ 11 ውልዶታታ ምስ ነቐጸ፡ኣንስቲ መጺአን ኪሰብራኦንሓዊ ኺኣጕዳሉን እየን። እዚ ህዝቢ እዝስ ኣእምሮ የብሉን።+ ስለዚ እዩ ገባሪኡ ዘይምሕሮ፡ደኳኒኡ እውን ሞገስ ዘየርእዮ።+ 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኻብቲ ዚውሕዝ ፈለግ* ኽሳብ ርባ* ግብጺ+ ኺወቅዕ እዩ፣ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል ድማ፡ በብሓደ ኽትእከቡ ኢኹም።+ 13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዓብዪ መለኸት ኪንፋሕ፡+ እቶም ኣብ ምድሪ ኣሶር+ ዚጠፍኡ ዘለዉን ኣብ ምድሪ ግብጺ+ ተበቲኖም ዘለዉን ኪመጹ፡ ንየሆዋ ኸኣ ኣብቲ ቕዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ኪሰግዱሉ እዮም።+ 47 ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ውረዲ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ።+ ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ዝፋን ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ተቐመጢ።+ ደጊምሲ ተነቃፊትን ሕንቅቕትን ኢሎም ኣይኪጽውዑኽን እዮም። 2 መጥሓን ሓዚ እሞ ሓርጭ ጥሓኒ። መጐልበቢኺ ቕልዒ። ወሰን ክዳንኪ ቐንጥጢ፡ ኣእጋርኪ እውን ቅልዒ። ኣፍላግ ተሳገሪ። 3 ዕርቃንኪ ኪቕላዕ እዩ። ሕፍረትኪ ኺርአ እዩ። ሕነ ኽፈዲ እየ፣+ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ መገደይ ኣይኪቐውምን እዩ።* 4 “እቲ ተበጃዊና፡—ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፡—ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”+ 5 ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኪዲ፣+ደጊም እመቤት* መንግስትታት ኣይኪብሉኽን እዮም።+ 6 ንህዝበይ ተቘጢዐዮ።+ ንርስተይ ፈንፊነዮ፣+ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሂበዮ።+ ንስኺ ግና ኣይምሓርክዮምን።+ ኣብ ኣረገውቲ እኳ ኸቢድ ኣርዑት ኣንቢርኪ።+ 7 “ወትሩ፡ ንዘለኣለም እመቤት* ክኸውን እየ” ኢልኪ።+ ነዚ ኣብ ልብኺ ኣየሕደርክዮን፣መወዳእታ እቲ ነገር ኣይሓሰብክዮን። 8 ሕጂ ድማ፡ ኣቲ ፈታዊት ተድላ፡+ኣቲ ብደሓን እተቐመጥኪ፡ ኣቲ ብልባ፡“ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን።+ መበለት ኣይክኸውንን እየ። ውሉዳት ከቶ ኣይክስእንን እየ” እትብሊ፡ ነዚ ስምዒ።+ 9 እዚ ኽልተ ነገር ብሃንደበት፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጸኪ እዩ፦+ ስእነት ውሉድን ምብልውናን። ብሰንኪ እቲ ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ እቲ ብርቱዕ ስራይክን፡*+መስፈሪ መሊኡ ኺመጸኪ እዩ።+ 10 ብእከይኪ ተኣሚንኪ። “ሓደ እኳ ኣይርእየንን” ኢልኪ። ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሒቱኪ፣ብልብኺ ድማ፡ “ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን” ኢልኪ። 11 ግናኸ፡ መዓት ኪመጸኪ፡መዐዘሚኺ ኸኣ ኣይኪዓግቶን እዩ።* መከራ ኺወርደኪ እዩ፣ ከተወግድዮ ድማ ኣይክትክእልን ኢኺ። ኣቐዲምኪ ዘይትፈልጥዮ ሃንደበታዊ ዕንወት ኪመጸኪ እዩ።+ 12 ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሉስራይን ብዙሕ ኣስማትን እስከ ቐጽሊ።+ ምናልባት ክትጥቀሚ ትኽእሊ ትዀኒ፣ምናልባት ንሰባት ተፍርሂ ትዀኒ። 13 ብብዝሒ ኣማኸርትኺ ደኺምኪ። እቶም ንሰማያት ዜምልኹ፡* እቶም ንኸዋኽብቲ ዚጥምቱ፡+እቶም ብዛዕባ ዚመጸኪ ነገራትኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ፍልጠት ዚህቡ፡ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። 14 እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም። ሓዊ ኼንድዶም እዩ። ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ፡ ርእሶም* ኬድሕኑ ኣይክእሉን እዮም። እዝስ ንምማቝ ዚኸውን ጓህሪ፡ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ሓዊ ድማ ኣይኰነን። 15 ዓዘምትኺ ንዓኺ ኸምኡ ኪዀኑ፡እቶም ካብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሎም እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም። ነፍሲ ወከፎም በብኣንፈቶም* ኰለል ኪብሉ እዮም። ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።+ 62 ጽድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፡+ድሕነታ ድማ ከም ፋና ኽሳዕ ዚበርህ፡+ምእንቲ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡+ምእንቲ የሩሳሌም ድማ ኣይክዓርፍን እየ። 2 “ኣህዛብ ጽድቅኺ፡+ኵሎም ነገስታት ከኣ ክብርኺ ኺርእዩ እዮም።+ ኣፍ የሆዋ ብዘውጽኦሓድሽ ስም ድማ ክትጽውዒ ኢኺ።+ 3 ኣብ ኢድ የሆዋ ዘውዲ ጽባቐ፡ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ መጠምጠምያ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ። 4 ደጊም እተሓድገት ኣይክትብሃልን ኢኺ፣+ምድርኺ ኸኣ ደጊም ዝባደመት ኣይክትብሃልን እያ።+ ግናኸ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ ኽትብሃሊ ኢኺ፣+ምድርኺ ድማ ምርዕውቲ ኽትብሃል እያ። የሆዋስ ብኣኺ ደስ ኪብሎ እዩ፣ምድርኺ ድማ ከም ምርዕውቲ ኽትከውን እያ። 5 ከመይሲ፡ ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዚምርዖ፡ደቅኺ ኺምርዓዉኺ እዮም። መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዚሕጐስ፡ኣምላኽ ብኣኺ ኺሕጐስ እዩ።+ 6 ኦ የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ መካበብያኺ ሓለውቲ መዚዘ ኣለኹ። ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን፡ ወትሩ ስቕ ኣይበሉ። ኣቱም ንየሆዋ እትረቝሕዎ፡ኣይትዕረፉ፣ 7 ንየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡እወ፡ ውዳሰ ምድሪ ኽሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ።”+ 8 የሆዋ ብየማነይቲ ኢዱ፡ ብሓያል ቅልጽሙ ምሒሉ ኣሎ፦ “እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ደጊም ኣይክህብን እየ፣ጓኖት እውን ነቲ ዝጸዓርክሉ ጕዕሽ ወይንኺ ኣይኪሰትዩን እዮም።+ 9 የግዳስ፡ እቶም ዚእክብዎ ኺበልዕዎ፡ ንየሆዋ ድማ ኪውድስዎ እዮም፣እቶም ዘእተውዎ ኸኣ ኣብ ቅዱስ ኣጸዳተይ ኪሰትይዎ እዮም።”+ 10 ሕለፉ፡ ብኣፍ ደገታት ሕለፉ። ነቲ ህዝቢ መገዲ ጽረጉሉ።+ ኣጣጥሑ፡ ጐደና ኣጣጥሑ። ኣእማን ጽረጉ።+ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።+ 11 እንሆ፡ የሆዋ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ኣዊጁ ኣሎ፦ “ንጓል ጽዮን፡‘እንሆ፡ ድሕነትኪ ይመጽእ ኣሎ።+ እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፣እቲ ዚኸፍሎ ጻማ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እዩ’ በልዋ።”+ 12 ንሳቶም ድማ ቅዱስ ህዝቢ፡ የሆዋ እተበጀዎም ኪብሃሉ እዮም፣+ንስኺ ኸኣ ተደላዪት፡ ዘይተሓድገት ከተማ ኽትብሃሊ ኢኺ።+ 50 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ጽሑፍ መፍትሒ+ እታ ዝሰደድክዋ ኣዴኹም ኣበይ ኣሎ፧ ወይስ ነየናይ ካብ ኣለቃሕተይ እየ ሸይጠኩም፧ እንሆ፡ ብሰንኪ ስሕተትኩም+ ኢኹም ተሼጥኩም፣ብሰንኪ ኣበሳኹም እውን እያ ኣዴኹም እተሰድደት።+ 2 ስለምንታይ ደኣ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሐ፧ ስለምንታይከ ምስ ጸዋዕኩ፡ ሓደ እኳ ዘይመለሰ፧+ ኢደይዶ ንምብጃው ሓጻር እያ፧ ንምንጋፍከ ሓይሊዶ የብለይን እየ፧+ እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ አንቅጾ፣+ንኣፍላግ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ።+ ዓሳታቱ ብስእነት ማይ ይምሽምሹ፣ብሰንኪ ጽምኢ ኸኣ ይሞቱ። 3 ንሰማያት ብድነ እኸድኖ፡+መጐልበቢኡ ድማ ማቕ እገብሮ።” 4 ንድኹም ከመይ ገይረ ብቕኑዕ ቃል* ከም ዝምልስ* ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡+እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ልሳን እተማህሩ* ሂቡኒ እዩ።+ ንግሆ ንግሆ የንቅሓኒ፣ከምቶም እተማህሩ ኽሰምዕሲ ንእዝነይ የንቅሖ።+ 5 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዝነይ ከፊቱለይ፣ኣነ ኸኣ ዓላዊ ኣይኰንኩን።+ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ድማ ኣየበልኩን።+ 6 ዝባነይ ንወቓዕቲ፡መዓጕርተይ ከኣ ንነጸይቲ* ሂበ እየ። ገጸይ ካብ ዜዋርድ ነገርን ጡፍ ካብ ምባልን ኣይሓባእኩን።+ 7 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ግና ኪረድኣኒ እዩ።+ ስለዚ፡ ኣይክዋረድን እየ። ስለዚ፡ ንገጸይ ከም ኣዝሒት ገይረዮ እየ፣+ከም ዘይሓፍር ድማ እፈልጥ እየ። 8 እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ። መን ኪኸስሰኒ* ይኽእል፧+ ብሓደ እስከ ንቑም።* መን እዩ ምሳይ ነገር ዘለዎ፧ ይቕረበኒ። 9 እንሆ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኺረድኣኒ እዩ። መን እዩ ዚዅንነኒ፧ እንሆ፡ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ብልዒ እውን ኪበልዖም እዩ። 10 ካባኻትኩምሲ ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ድምጺ ጊልያኡ ድማ ዚሰምዕ መን እዩ፧+ ብድቕድቕ ጸልማት፡ ብዘይ ገለ ብርሃን እተመላለሰ መን እዩ፧ ብስም የሆዋ ይተኣመን፡* ኣብ ኣምላኹ እውን ይመርኰስ።* 11 “እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እትውልዑ፡ቍልዒ ሓዊ እተንጥሩ፡ብብርሃን ሓውኹም፡ኣብቲ ዘንደድኩምዎ ቝልዒ ሓዊ ተመላለሱ። ካብ ኢደይሲ እዚ ኢኹም ክትረኽቡ፦ ብብርቱዕ ስቓይ በጥ ክትብሉ ኢኹም። 13 ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ብራእይ ዝረኣዮ ኣንጻር ባቢሎን+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ 2 “ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ከረን መላጥ ኣኻውሕ ኣልዕሉ።+ ብኣፍ ደገታት ልዑላን ኪኣትዉስ፡ተደሃይዎም፡ ኢድኩም ኣወዛውዙ። 3 ነቶም ዝሸምክዎም* ኣዚዘዮም ኣለኹ።+ ቍጥዓይ ንምግላጽ ንጀጋኖይ፡ብዅርዓት ንዚፍስሁ ጸዊዐዮም ኣለኹ። 4 ስምዑ! ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ፣ናይ ብዙሕ ህዝቢ ደሃይ ኣሎ! ስምዑ! ናይ መንግስትታትንናይ እኩባት ኣህዛብን ያዕያዕታ!+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነቲ ሰራዊት ንውግእ ይእክቦ ኣሎ።+ 5 የሆዋን ኣጽዋር ቍጥዓኡን፡ንዅላ ምድሪ ኼጥፍኡስ፡+ካብ ርሑቕ ሃገር፡+ካብ ወሰን ሰማያት ይመጹ ኣለዉ። 6 መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ! ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ።+ 7 ስለዚ፡ ኵለን ኣእዳው ኪለምሳ እየን፣ልቢ ዅሉ ሰብ ድማ ብፍርሂ ኺመክኽ እዩ።+ 8 ሰባት ሰምቢዶም እዮም።+ ቅልውላው ከም ዝሓዛ ሰበይቲ፡ብምንፍርፋርን ብቕልውላውን ተታሒዞም እዮም። ሰኪሖም ንሓድሕዶም ይጠማመቱ ኣለዉ፣ገጾም ብጓሂ ጓህሪ መሲሉ ኣሎ። 9 እንሃ፡ መዓልቲ የሆዋነታ ምድሪ መሰክሒ ኽትገብራ፡+ንሓጥኣን እታ ምድሪ ድማ ካብኣ ኸተጥፍኦም፡ብነድርን ብዚነድድ ቍጥዓን ትመጽእ ኣላ። 10 ከዋኽብቲ ሰማያትን ናታቶም ጭፍራታት ከዋኽብትንሲ፡*+ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፣ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት፡ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ። 11 ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡+ንእኩያት ድማ ስለ ስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ። ንዅርዓት ተዳፈርቲ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ንትዕቢት ጨቈንቲ ኸኣ ከዋርዶ እየ።+ 12 ንመዋቲ ሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ ንላዕሊ ብርቂ፡+ንሰብ ድማ ካብ ወርቂ ኦፊር+ ንላዕሊ ብርቂ ኽገብሮ እየ። 13 ስለዚ፡ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፣ምድሪ ኸኣ ብነድሪ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ብመዓልቲ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ፡ ካብ ቦታኣ ኽትናወጽ እያ።+ 14 ከም እተሃድነት ሰስሓን ኣካቢ ኸም ዘይብለን መጓሰን፡ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ኺምለስ፡ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ ኺሃድም እዩ።+ 15 እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡እተታሕዘ ዘበለ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ።+ 16 ደቆም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪሕምሸሹ፡+ኣባይቶም ኪዝመት፡ኣንስቶም ከኣ ኪዕመጻ እየን። 17 እንሆ፡ ኣንጻሮም ንሜዶናውያን፡+ነቶም ንብሩር ከም ዘይረብሕ ዚቘጽሩ፡ብወርቂ ድማ ደስ ዘይብሎም ከተንስእ እየ። 18 ቀስትታቶም ንኣጕባዝ ኪሕምሽሽ እዩ፣+ንሳቶም ከኣ ንፍረ ኸርሲ ኣይኪድንግጹን፡ንውሉዳት ድማ ኣይኪምሕሩን እዮም። 19 ባቢሎን፡ እታ ኻብ መንግስትታት ዝኸበረት፡*+እታ ጽባቐን ትምክሕትን ከለዳውያን፡+ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ምስ ገልበጠን ዝዀናኦ ኽትከውን እያ።+ 20 ሰብ ኣብኣ ከቶ ኣይኪነብርን፡ንውሉድ ወለዶ ኸኣ መንበሪት ኣይክትከውንን እያ።+ ዓረብ ኣብኣ ድንኳኑ ኣይኪተክልን እዩ፣ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣይኬዕርፉላን እዮም። 21 ኣራዊት ምድረ በዳ ኣብኣ በጥ ኪብሉ እዮም፣ኣባይቶም ብጕንጓታት ኪመልእ እዩ። ሰገናት ኣብኣ ኺነብራ እየን፣+ኣጣል በረኻ ኸኣ ኣብኡ ኺሰራሰራ እየን።* 22 ዚንቅዉ እንስሳታት ኣብ ግምብታታ፡ወኻሩ* ድማ ኣብቲ ምሹእ ኣብያተ መንግስታ ኺንቅዉ እዮም። ግዜኣ ቐሪቡ እዩ፣ መዓልትታታ ኸኣ ኣይኪናዋሕን እዩ።”+ 5 መዝሙር ፍቱወይን ኣታኽልቲ ወይኑን+እስከ ንፍቑረይ ክዝምረሉ። ፍቑረይ ኣብ ፍርያም ኵርባ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። 2 ኰዓቶ፡ ኣእማኑ ድማ ኣውጽአ። ሕሩይ ቀይሕ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፣ኣብ ማእከሉ ግምቢ ሃነጸሉ፣ኣብ ውሽጡ ድማ መጽመቝ ወይኒ ወቒሩ ሰርሓሉ።+ ወይኒ ኼፍሪ ኸኣ ተጸበየ፣ግናኸ፡ ወይኒ መሮር ጥራይ ኣፍረየ።+ 3 “ሕጂ ድማ፡ ኣቱም ነበርቲ የሩሳሌምን ሰብ ይሁዳን፡ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን በጃኹም ፍረዱ።+ 4 ንኣታኽልቲ ወይነይሲ ዛጊት ዘይገበርኩሉ+እንታይ ተወሳኺ ነገር ክገብረሉ ምኸኣልኩ ነይረ፧ ስለምንታይ ደኣ ወይኒ ኽረክብ ምስ ተጸበኹስ፡ወይኒ መሮር ጥራይ ዘፍረየለይ፧ 5 ሕጂ ድማ፡ ንኣታኽልቲ ወይነይ እንታይ ከም ዝገብሮእስከ ኽነግረኩም፦ ሓጹሩ ኸልግሶ እየ፣ከንድዶ እውን እየ።+ መንደቑ ኸፍርሶ እየ፣ኪርገጽ እውን እዩ። 6 ከባድሞ እየ፣+ኣይኪጥጠፍን ወይ ኣይኪጫዀርን እዩ። ብኣሻዅ ቈጥቋጥን ብጻህያይን ኪውሓጥ እዩ፣+ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ።+ 7 እቲ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣታኽልቲ ወይንስ ቤት እስራኤል እዩ፣+ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሱ ዚፈትዎም ዝነበረ ኣትክልቲ* እዮም። ፍትሒ ተጸበየ፣+እንሆ ግና፡ ዘይፍትሓውነት። ጽድቂ ተጸበየ፣እንሆ ግና፡ ኣውያት።”+ 8 ነቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣን፡ኣብ ሓደ ቤት ካልእ ቤት ዜላግቡ፡+ኣብ ሓደ ግራት ከኣ ካልእ ግራት ዚውስኹ ወይለኦም፣+ንስኻትኩምሲ በይንኹም ኣብታ ምድሪ ኽሳዕ እትነብሩ ኸምኡ ትገብሩ። 9 ብዙሕ ኣባይቲ፡ ዓበይትን ጽቡቕን ክነሱ፡መሰክሒ ኪኸውን፡ብዘይ ነባሪ እውን ኪኸውን ምዃኑ፡የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ኣእዛነይ ምሒሉ ኣሎ።+ 10 ዓሰርተ መዓል ጽምዲ ዚኸውን ኣታኽልቲ ወይንስ፡ ሓደ ባት* ጥራይ፡ሓደ ሖመር ዚኸውን ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ* ጥራይ ኬፍሪ እዩ።+ 11 እቶም ኣልኮላዊ መስተ ኺሰትዩ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡+ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም! 12 መሰንቆን* በገናንከበሮን ሻምብቆን ወይንን ኣብ ድግሶም ኣሎ፣ንተግባር የሆዋ ግና ኣይሓስብዎን፣ንግብሪ ኣእዳዉ እውን ኣይርእይዎን። 13 ስለዚ፡ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት+ኪማረኹ እዮም፣ክቡራቶም ኪጠምዩ፡+ኵሎም ሰቦም ከኣ ብጽምኢ ኺነቕጹ እዮም። 14 ስለዚ፡ መቓብር* ገዛእ ርእሳ* ኣስፍሐት፣ኣፋ እውን ብዘይ መጠን ሃህ ኣበለት፣+ግርማኣን* ጫውጫው ዚብል ህዝባን ዚፍንጥዙ ሰባንብርግጽ ናብኣ ኺወርዱ እዮም። 15 ሰብ ድማ ትሕት ኪብል፡ሰብ ከኣ ኪዋረድ እዩ፣ኣዒንቲ ዕቡያት እውን ኪዋረዳ እየን። 16 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብፍርዱ* ልዕል ኪብል እዩ፣እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ቕዱስ፡+ ገዛእ ርእሱ ብጽድቂ ኪቕድስ እዩ።+ 17 ገንሸላት* ከኣ ከም ኣብ መጓሰይኦም ኪበልዑ እዮም፣ጓኖት ኣብቲ ስቡሓት እንስሳታት ዝነበርዎ ዝባደመ ቦታታት ኪምገቡ እዮም። 18 እቶም ንበደሎም ብኣግማድ ምትላል፡ንሓጢኣቶም ድማ ብመጥመሪ ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም! 19 እቶም፡ “ዕዮኡ የፍጥን፣ምእንቲ ኽንርእዮስ ቀልጢፉ ይምጻእ። ምእንቲ ኽንፈልጦስ፡ዕላማ* እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ይፈጸም!” ዚብሉ ወይለኦም!+ 20 እቶም ንጽቡቕሲ ኽፉእ፡ ንኽፉእ ከኣ ጽቡቕ ዚብሉ፡+ንጸልማት ብብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ብጸልማት ዚትክእዎ፡ንመሪር ጥዑም፡ ንጥዑም እውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም! 21 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጥበበኛታት፡ብርእይቶኦም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም!+ 22 እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚብርትዑ፡ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ምሕውዋስ ድማ ዋናታት ዚዀኑ ወይለኦም!+ 23 እቶም ንእኩይ ብጉቦ ናጻ ዚገብርዎ፡+ንጻድቕ ከኣ ፍትሒ ዚኸልእዎ ወይለኦም!+ 24 ስለዚ፡ ንሕጊ* የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነጺጎምዎ፡ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እውን ንዒቖምዎ እዮም እሞ፡ከምቲ ልሳን ሓዊ ንሓሰር ዜንድዶ፡ከምቲ ንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ዚቕምርር፡ሱሮም ኪምሽምሽ፡ዕምባባኦም ድማ ከም ተጐጓ ፋሕ ኪብል እዩ።+ 25 ስለዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ኺነድድ፡ኢዱ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝርግሕ እሞ ኺወቕዖም እዩ።+ ኣኽራን ኬንቀጥቅጡ፡ሬሳታቶም ድማ ኣብ ጐደናታት ከም ጐሓፍ ኪዀኑ እዮም።+ ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ። 26 ኣብ ርሑቕ ንዘለዉ ህዝቢ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዒሉሎም፡+ካብ ወሰናት ምድሪ ኺመጹ ድማ ኣፋጽዩሎም ኣሎ፣+እንሆ ኸኣ፡ ብልዑል ፍጥነት ይመጹ ኣለዉ።+ 27 ድኹም ወይ ዚዕንቀፍ ኣብ መንጎኦም የልቦን። ትኽስ ዚብል ወይ ዚድቅስ እውን የልቦን። ዕጣቕ ሕቘኦም ኣይፍታሕን፡ስራኽ ሳእኖም እውን ኣይብተኽን እዩ። 28 ኵሉ ፍላጻታቶም በሊሕ፡ኵሉ ቐስትታቶም ድማ ግቱር* እዩ። ሸዀናታት ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፡መንኰራዅሮም ከኣ ከም ህቦብላ ንፋስ እዩ።+ 29 ጓዝማኦም ከም ናይ ኣንበሳ እዩ፣ከም ሽደን ኣንበሳ ድማ ይጓዝሙ።+ ሕኒን ይብሉን ንግዳዮም ይሕዙን፣ዜናግፎ ዘይብሉ እውን ይወስድዎ። 30 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ከም ጕርምርምታ ባሕሪ፡ኣብ ልዕሊኡ ጕርምርም ኪብሉ እዮም።+ ናብታ ምድሪ ዚጥምት ዘበለ ዜጨንቕ ጸልማት ኪርኢ እዩ፣ብርሃን እኳ እንተ ዀነ፡ ብሰንኪ ደበናታት ጸልሚቱ እዩ።+ 21 ኣንጻር በረኻ ባሕሪ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ ከምቲ ኣብ ደቡብ ዚነፍስ ህቦብላ ንፋስ ዝበለ፡ካብ በረኻ፡ ካብ ዜፍርህ ምድሪ ይመጽእ ኣሎ።+ 2 ዜሰቅቕ ራእይ ተነግረኒ፦ ጠላሚ ይጠልም ኣሎ፣መጥፍኢ የጥፍእ ኣሎ። ኣቲ ዔላም፡ ደይቢ! ኣቲ ሜዶን፡+ ክበቢ! ንዅሉ እቲ ዘምጽኣቶ እህህታ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።+ 3 ስለዚ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ኣሎኒ።*+ ከምቲ እትወልድ ሰበይቲ እትዀኖ፡ምንፍርፋር ሒዙኒ ኣሎ። ካብ ጭንቂ እተላዕለ ኽሰምዕ ኣይከኣልኩን፣ካብ ርባጸ እተላዕለ ኽርኢ ኣይከኣልኩን። 4 ልበይ ተመሊሑ፣ ብራዕዲ ፈጥፈጥ ኢለ። እቲ ዝናፍቖ ጽልግልግታ፡ ራዕራዕ የብለኒ ኣሎ። 5 መኣዲ ይዳሎ፡ መናብር ይሰራዕ! ይበላዕን ይሰተን!+ ኣቱም መሳፍንቲ፡ ተንስኡ ዋልታ ቕብኡ! 6 የሆዋስ ከምዚ እዩ ዝበለኒ፦ “ኪድ እሞ ሓላዊ ኣቑም፣ ንሱ እውን ነቲ ዝረኣዮ ይንገር።” 7 ንሱ ኸኣ ሰረገላ ጽምዲ ኣፍራስ፡ሰረገላ ኣእዱግ፡ሰረገላ ኣግማል ረኣየ። ምስ ብዙሕ ኣቓልቦ ድማ፡ ተጠንቂቑ ሓለወ። 8 ድሕሪኡ፡ ከም ኣንበሳ ኸምዚ ኢሉ ተዳህየ፦ “ኦ የሆዋ፡ ወትሩ ብመዓልቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ደው ኢለ ኣለኹ፣ለይቲ ለይቲ እውን ኣብ መሐለውየይ ቈይመ ኣለኹ።+ 9 ሰባት ኣብ ሰረገላ ጽምዲ ኣፍራስ ተወጢሖም+እነዉ ይመጹ ኣለዉ!” ድሕርዚ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፦ “ወዲቓ! ባቢሎን ወዲቓ!+ ንዅሉ ቕሩጽ ምስልታታ ኣብ ምድሪ ሰባቢርዎ።”+ 10 ኣታ እተኼድካ ህዝበይ፡ኣታ ፍረ* ዓውደይ፡+ካብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል ዝሰማዕክዎ ነጊረካ ኣለኹ። 11 ኣንጻር ዱማ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ “ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧ ኣታ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ለይቲ እንታይ ትብል፧” ኢሉ ኻብ ሰዒር ይድሃየኒ ኣሎ።+ 12 እቲ ሓላዊ ኸኣ፡“ንግሆ ይመጽእ ኣሎ፡ ለይቲ እውን። ትሓትቱ እንተ ዄንኩም፡ ሕተቱ። መሊስኩም ምጹ!” በለ። 13 ኣንጻር ጐልጐል ምድረ በዳ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡+ኣብ ዱር ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኽትሓድሩ ኢኹም። 14 ኣቱም ነበርቲ ምድሪ ቴማ፡+ንጽሙኣት ንምቕባል ማይ ኣምጽኡ፣ንዚሃድም ድማ እንጌራ ኣምጽኡ። 15 ንሳቶምሲ ኻብ ኣስያፍ፡ ካብ እተመልሐ ሰይፊ፡ካብ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ሕሰም ውግእ ዝሃደሙ እዮም። 16 የሆዋስ ከምዚ ኢሉኒ እዩ፦ “ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓመት፡ ከም ዓመታት ዕሱብ፡* ኵሉ ኽብሪ ቄዳር+ ኬብቅዕ እዩ። 17 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቶም ዚተርፉ ቐስተኛታት ጀጋኑ ቄዳር ሒደት ኪዀኑ እዮም።” 15 ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ ብሓንቲ ለይቲ ስለ ዝዓነወት፡ኣብ ሞኣብ ዘላ ዓር+ ስቕ ክትብል እያ። ብሓንቲ ለይቲ ስለ ዝዓነወት፡ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር+ ስቕ ክትብል እያ። 2 ኪበክስ ናብታ ቤትን* ናብ ዲቦንን፡+ናብ በረኽቲ ደዪቡ። ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን+ ኣብ ልዕሊ ሜድባን+ ዋይዋይ ትብል ኣላ። ኵሉ ርእሲ ተላጽዩ እተመልጠ፡+ ኵሉ ጭሕሚ ድማ ቍሩጽ እዩ።+ 3 ኣብ ጐደናታት ማቕ ተዓጢቖም ኣለዉ። ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምን ኵላቶም ዋይዋይ ይብሉ ኣለዉ፣እናበኸዩ ይወርዱ ኣለዉ።+ 4 ሔስቦንን ኤልዓለን+ የእውያ ኣለዋ፣ድምጸን ክሳብ ያሃጽ+ ይስማዕ ኣሎ። ስለዚ፡ ዕጡቓት ሞኣብ ይጭርሑ ኣለዉ። ንሱ የንቀጥቅጥ ኣሎ።* 5 ልበይ ንሞኣብ የእውየላ ኣሎ። ህዱማታ ኽሳብ ጾዓርን+ ኤግላት-ሸሊሽያን+ ሃዲሞም ኣለዉ። ኣብ ዓቐበት ሉሒት ኪድይቡ ኸለዉ ይበኽዩ፡ናብ ሖሮናይም ኣብ ዚወስድ መገዲ እውን በቲ መዓት የእውዩ ኣለዉ።+ 6 ማያት ኒምሪምሲ ነጺፉ፡ሳዕሪ ኸኣ ነቒጹ፣ሳዕሪ ተወዲኡ፡ ሓምላይ ዘበለ እውን ኣይተረፈን። 7 ስለዚ፡ ነቲ ኻብ መኽዘኖምን ካብ ሃብቶምን ዝተረፈ ይወስድዎ፡ስንጭሮ* ኣእዋም ዓራባ ድማ ይሳገሩ ኣለዉ። 8 እቲ ኣውያትሲ ኣብ ብዘሎ ሃገር ሞኣብ የቃልሕ ኣሎ።+ እቲ ዋይዋይታ ኽሳብ ኤግላይም ይበጽሕ፡እቲ ዋይዋይታ ኽሳብ ብኤር-ኤሊም ይበጽሕ ኣሎ። 9 ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፣ንዲሞን ከኣ ገና ተወሳኺ ነገር ኣሎኒ፦ ነቶም ዘምለጡ ናይ ሞኣብ፡ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።+ 22 ብዛዕባ ስንጭሮ ራእይ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+ ኵሉ ሰብኪ ናብ ናሕስታት ዚድይብሲ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ 2 ኣቲ እትናወጺ ኸተማ፡ ኣቲ ፍስህቲ ኸተማ፡ህውከት መሊኡኪ ነይሩ። ቅቱላትኪ ብሰይፊ ኣይተቐትሉን፣ኣብ ውግእ እውን ኣይሞቱን።+ 3 ኵሎም መለኽትኺ ብሓባር ሃዲሞም።+ ብዘይ ቀስቲ ተኣሲሮም ተወሲዶም። እተረኽቡ ዘበሉ ዅሎም፡+ኣርሒቖም እኳ እንተ ሃደሙ፡ ተኣሲሮም ተወሲዶም። 4 ስለዚ፡ ከምዚ ኢለ፦ “ኣዒንትኹም ካባይ ምለሱ፡ኣምሪረ ድማ ክበኪ እየ።+ ብጥፍኣት ጓል* ህዝበይ+ከተጸናንዑኒ ኢልኩም ግዲ ኣይትበሉኒ። 5 ንሳስ ካብቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ኣብ ስንጭሮ ራእይመዓልቲ ዕግርግርን ስዕረትን ስምባድን እያ።+ መካበብያ ይፈርስ፡+ናብ ከረን ከኣ ይእወ ኣሎ። 6 ዔላም+ ጕልድባ ተልዕል፡ምስኡ እውን ሰብ ዘለዎ ሰረገላታትን ኣፍራስን፣*ቂር+ ድማ ዋልታ ትቐልዕ።* 7 እቲ ብሉጽ ስንጭሮታትኪ፡*ሰረገላታት ኪመልእ፡ኣፍራስ* ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ኪቘሙ እዮም፣ 8 መጋረዲ* ይሁዳ ድማ ኪቕላዕ እዩ። “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ናብቲ ኣብ ቤት ዱር ዘሎ ቤት ኣጽዋር ክትጥምቲ ኢኺ፣+ 9 ነቲ ሓያሎ ፍሩሳት ከተማ ዳዊት ከኣ ክትርእዩ ኢኹም።+ ማያት ታሕተዋይ ሓጽቢ ድማ ክትእክቡ ኢኹም።+ 10 ንኣባይቲ የሩሳሌም ክትቈጽርዎ፡ ነቲ መካበብያ ምእንቲ ኸተጽንዑ ኸኣ ኣባይቲ ኸተፍርሱ ኢኹም። 11 ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ መካበብያ ንማይ እቲ ናይ ቀደም ሓጽቢ ዚኸውን ጋብላ ኽትገብሩ ኢኹም፣ ግናኸ፡ ናብቲ ዓብዪ ገባሪ ኣይክትጥምቱን፡ ነቲ ኻብ ቀደም ዝገበሮ እውን ኣይክትርእይዎን ኢኹም። 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ንብኽያትን ንሓዘንን+ንምልጻይ ርእስን ንምኽዳን ማቕን ኪጽውዕ እዩ። 13 ኣብ ክንዳኡ ግና፡ በዓልን ሓጐስን፡ምቕታል ከብትን ምሕራድ ኣባጊዕን፡ምብላዕ ስጋን ምስታይ ወይንን ኣሎ።+ ‘ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን።’”+ 14 ሽዑ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ኣእዛነይ ከምዚ ኢሉ ገለጸለይ፦ “‘ንስኻትኩም ክሳዕ እትሞቱስ እዚ ስሕተት እዚ ብዕርቂ ኣይኪኽደነልኩምን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።” 15 እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ናብቲ ኣብታ ቤት* ሓላፍነት ዘለዎ ኣመሓዳሪ ቤት፡ ናብ ሸብና+ ኺድ እሞ፡ 16 ‘ኣብዚ እንታይ ኣሎካ፧ ኣብዚ መቓብር ንርእስኻ እትወቅርሲ፡ ኣብዚ መን ኣሎካ፧’ በሎ። ንሱ ኣብ በሪኽ መቓብር ይወቅር ኣሎ፣ ኣብ ከውሒ ድማ ንርእሱ መዕረፊ* ይዅዕት ኣሎ። 17 ‘ኣታ ሰብ፡ እንሆ፡ የሆዋ ብሓይሊ ኺድርብየካ፡ ብጽኑዕ ኪሕዘካ እዩ። 18 ብርግጽ ከረው ኣቢሉ ኺጥቕልለካ፡ ከም ኵዕሶ እውን ናብ ሰፋሕ ምድሪ ኺድርብየካ እዩ። ኣብኡ ኽትመውት፡ እቲ ኽቡር ሰረገላታትካ ኸኣ ኣብኡ ኪኸውን፡ ንቤት ጐይታኻ እውን ውርደት ክትከውን ኢኻ። 19 ኣነ ድማ ካብ ቦታኻ ኽግልብጠካ፡ ካብ ስልጣንካ ኸኣ ክድርብየካ እየ። 20 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጊልያይ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያ ኽጽውዖ እየ፣ 21 በቲ ወለል ዚብል ክዳንካ ድማ ክኸድኖ፡ ቅናትካ ኸኣ ከዕጥቖ፡+ ስልጣንካ* እውን ኣብ ኢዱ ኽህቦ እየ። ንሱ ድማ ንነበርቲ የሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ኪዀኖም እዩ። 22 መፍትሕ ቤት ዳዊት+ ከኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኪኸፍት፡ ሓደ እኳ ኣይኪዓጹን እዩ፣ ንሱ ኺዓጹ፡ ሓደ እኳ ኣይኪኸፍትን እዩ። 23 ከም ሽንካር ኣብ ናይ ሓዋሩ ቦታ ኽተኽሎ እየ፣ ንቤት ኣቦኡ እውን ከም ዝፋን ክብሪ ኪኸውን እዩ። 24 ኵሉ ኽብሪ* ቤት ኣቦኡ፡ ዘርእን ውሉድን፡* ኵሉ ንኣሽቱ ኣቕሑ፡ ከም ጭሔሎ ዝበለ ኣቕሑ፡ ኵሉ ኣጋንእ ኣብኡ ኺስቀል እዩ። 25 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘እቲ ኣብ ናይ ሓዋሩ ቦታ እተተኽለ ሽንካር ኪለግስ፡+ ኪቝረጽን ኪወድቕን እዩ፣ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ እቲ ንሱ ጾይርዎ ዝነበረ ድማ ናብ ጥፍኣት ኪወድቕ እዩ።’” 42 እንሆ፡ ዝድግፎ ጊልያይ!+ ዝሰምሮ*+ ሕሩየይ!+ መንፈሰይ ኣብኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፣+ንኣህዛብ ፍትሒ ኼምጽኣሎም እዩ።+ 2 ኣይኪጭድርን፡ ወይ ድምጹ ዓው ኣይኬብልን እዩ፣ድምጹ እውን ኣብ ጐደና ኣይኬስምዕን እዩ።+ 3 ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ።+ ብተኣማንነት ፍትሒ ኼምጽእ እዩ።+ 4 ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዚምስርት፡ ኣይኪሓምቕን ወይ ኣይኪጭፍለቕን እዩ፣+ደሴታት ከኣ ሕጉ* ይጽበያ እየን። 5 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ፡እቲ ፈጣሪ ሰማያትን እቲ ንዓታቶም ዝገተሮም ዓብይን፡+እቲ ንምድርን ንፍርያታን ዝዘርግሐ፡+እቲ ኣብኣ ንዘሎ ህዝቢ ትንፋስ፡+ኣብኣ ንዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሃበ ኸምዚ ይብል፦+ 6 “ኣነ የሆዋ ብጽድቂ ጸዊዐካ ኣለኹ፣ብኢድካ ሒዘካ ኣለኹ። ክሕልወካ እየ፣ ኪዳን ህዝብን+ብርሃን ኣህዛብን ከም እትኸውን ገይረ ኽህበካ እየ።+ 7 ኣዒንቲ ዕዉራት ምእንቲ ኽትከፍት፡+ንእሱራት ካብ ቤት ማሕቡስ፡ነቶም ኣብ ጸልማት ዚቕመጡ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ።+ 8 ኣነ የሆዋ እየ። ስመይ እዚ እዩ፣ክብረይ ንኻልእ፡*ውዳሰይ እውን ንቕሩጽ ምስልታት ኣይህብን እየ።+ 9 እንሆ፡ እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ፣ሕጂ፡ ሓድሽ ነገር እነግረኩም ኣለኹ። ከይተቐልቀለ፡ ብዛዕባኡ ኸስምዓኩም እየ።”+ 10 ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን ንዕኡ እትመልእዎ ዘበልኩም ኵላትኩምን፡ኣትን ደሴታትን ኣቱም ነበርተንን፡+ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር፡+ውዳሰኡ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምሩሉ።+ 11 በረኻን ከተማታቱን፡+ቄዳር+ ዚነብረሉ ሰፈራት፡ ድምጾም ዓው የብሉ። ነበርቲ ኸውሒ እልል ይበሉ፣ካብ ርእሲ ኣኽራን ይጨድሩ። 12 ንየሆዋ ኽብሪ ይሃብዎ፣ውዳሰኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ።+ 13 የሆዋ ኸም ጅግና ኺወጽእ እዩ።+ ከም ተዋጋኢ ቕንኣቱ ኼነቓቕሕ እዩ።+ ኪጭድር፡ እወ፡ ጭድርታ ውግእ ኪጭድር እዩ፣ካብ ጸላእቱ ኸም ዚብርትዕ ኬርኢ እዩ።+ 14 “ነዊሕ ግዜ ስቕ ኢለ እየ። ኣጽቂጠን ርእሰይ ገቲአን እየ። ትወልድ ከም ዘላ ሰበይቲ፡ብሓንሳእ ክግዕርን ክልህልህን ክንኣኽን እየ። 15 ንኣኽራንን ንዅርባታትን ከባድሞ፡ንዅሉ ኣትክልቶም ድማ ከንቅጾ እየ። ንኣፍላግ ናብ ደሴታት* ክቕይሮ፡ሻምብቆ ንዘለዎ ራህያታት ማይ ከኣ ከንቅጾ እየ።+ 16 ንዕዉራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽመርሖም፡+ንዘይፈልጥወን መገድታት ድማ ከርግጾም እየ።+ ኣብ ቅድሚኦም ንዘሎ ጸልማት ናብ ብርሃን ክቕይሮ፡+ንድንጉር ከኣ ናብ ጐልጐል ክልውጦ እየ።+ እዚ ኽገብረሎም፡ ኣይክሓድጎምን እውን እየ።” 17 እቶም ብጽሩብ ምስልታት ዚእመኑ፡*እቶም ንፍሱስ ምስልታት፡ “ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም” ዚብሉ፡ኪምለሱን ኪሓፍሩን እዮም።+ 18 ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፣ኣቱም ዕዉራት፡ ጠምቱን ርኣዩን።+ 19 ብዘይካ ጊልያይሲ፡ መን እዩ ዕዉር፧ ከምቲ ዝለኣኽክዎ ልኡኽ ጸማም ዝዀነኸ መን እዩ፧ ከምቲ ዓስቡ ዝሃብክዎ ዕዉር ዝዀነ፡ከም ጊልያ የሆዋ ዕዉር ዝዀነ መን እዩ፧+ 20 ብዙሕ ነገር ትርኢ፡ ግናኸ ኣይትሕሉን። ኣእዛንካ ትኸፍት፡ ግናኸ ኣይትሰምዕን።+ 21 የሆዋ ምእንቲ ጽድቁ ኢሉ፡ንሕጉ* ኼዕብዮን ኬኽብሮን ባህ ኢልዎ ኣሎ። 22 እዚ ግና እተዘምተን እተዘረፈን ህዝቢ እዩ፣+ኵላቶም ኣብ ጐዳጕዲ ተፈንጢሮም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተሓቢኦም።+ ዜናግፎም ዘይብሎም ተዘሚቶም፣+“ምለሶም!” ዚብል ዘይብሎም ድማ ተዘሪፎም። 23 ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብል መን እዩ፧ ንዚመጽእ ግዜ ዜቕልቦን ዚሰምዖንከ መን እዩ፧ 24 ያእቆብ ንዘረፋ፡እስራኤል ድማ ንዘመተ ኣሕሊፉ ዝሃበ መን እዩ፧ እቲ ዝበደልናዮ የሆዋ ደይኰነን፧ ንሳቶም ብመገድታቱ ምምልላስ ኣበዩ፣ሕጉ* ኸኣ ኣይተኣዘዙን።+ 25 ስለዚ፡ ኵራን ቍጥዓኡንነድሪ ውግእን ከዓወሉ።+ እዚ ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ዅሉ እኳ እንተ በልዖ፡ ኣየስተብሃለን።+ ዋላ እኳ እንተ ኣባርዖ፡ ኣብ ልቡ ኣየሕደሮን።+ 39 በታ ግዜ እቲኣ፡ መሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡+ ንህዝቅያስ ደብዳበታትን ህያብን ሰደደሉ።+ 2 ህዝቅያስ ከኣ ተሓጒሱ ተቐበሎም* እሞ፡ ቤት መዝገቡ፡+—ብሩርን ወርቅን ዘይቲ በለሳንን ካልእ ኽቡር ዘይትን ብዘሎ ቤት ኣጽዋሩን ኵሉ እቲ ኣብ መዛግብቱ እተረኽበን፡—ኣርኣዮም። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤቱን* ኣብ ኵሉ ግዝኣቱን ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን። 3 ድሕርዚ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን እዮም መጺኦም” በሎ።+ 4 ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ቤትካኸ* እንታይ ርእዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ኣብ ቤተይ* ዘሎ ዅሉ ርእዮም እዮም። ኣብ መዛግብተይ ዘየርኣኽዎም ነገር የልቦን” ኢሉ መለሰ። 5 ኢሳይያስ ከኣ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስማዕ፦ 6 ‘እንሆ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቤትካ* ዘሎን ኵሉ እቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ገለ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ’+ ይብል የሆዋ።+ 7 ‘ገለ ኻብቶም እትወልዶም ደቅኻ እውን ኪውሰዱን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ባቢሎን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ኪዀኑን እዮም።’”+ 8 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንኢሳይያስ፡ “እቲ እተዛረብካዮ ቓል የሆዋ ጽቡቕ እዩ” በሎ። ወሲኹ ድማ፡ “ብዘመነይሲ* ሰላምን ርግኣትን* ኪኸውን እዩ” በለ።+ 55 ኣቱም ጽሙኣት ኵላትኩም፡+ ናብ ማይ ንዑ!+ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም፡ ንዑ ዓዲግኩም ብልዑ! እወ፡ ንዑ ብዘይ ገንዘብን ብዘይ ክፍሊትን ወይንን ጸባን ዓድጉ።+ 2 እንጌራ ንዘይኰነ ስለምንታይ ገንዘብኩም እትኸፍሉ፧ ንዘየጽግብከ ስለምንታይ ኣታዊኹም* እተውጽኡ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ጽቡቕ ዘበለ ድማ ብልዑ፣+ናይ ሓቂ መዓዛታት ብዘለዎ ኸኣ ደስ ኪብለኩም እዩ።*+ 3 እዝንኹም ኣድንኑ እሞ ናባይ ንዑ።+ ስምዑ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፣*ኣነ ኸኣ ምስቲ እሙን* ዝዀነ ንዳዊት ብተኣማንነት ዘርኣኽዎ ፍቕሪ ብምስምማዕ፡+ምሳኻትኩም ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣቱ እየ።+ 4 እንሆ፡ ንኣህዛብ ምስክር፡+ንኣህዛብ መራሕን+ ኣዛዝን+ ገይረዮ እየ። 5 እንሆ፡ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፣ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽካ፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ፡—ንሱ ኬኽብረካ እዩ እሞ፡+—ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኺጐዪ እዩ። 6 ንየሆዋ በቲ ዚርከበሉ ግዜ ድለይዎ።+ ቀረባ ኸሎ እውን ጸውዕዎ።+ 7 እኩይ መገዱ፡ክፉእ ከኣ ሓሳቡ ይሕደግ፣+ንሱ ብዙሕ* ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡+ናብቲ ዚምሕሮ የሆዋ፡ ናብ ኣምላኽና ይመለስ።+ 8 “ሓሳባተይሲ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፣+መገድታትኩም ድማ መገድታተይ ኣይኰነን” ይብል የሆዋ። 9 “ከምቲ ሰማያት ካብ ምድሪ ዚልዕልሲ፡መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ይልዕል።+ 10 ከምቲ ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ዚወርድ፡ንምድሪ ኸየጽገባ፡ ከም እተፍርን እተብቍልን ድማ ከይገበራ፡ንዘራኢ ዘርኢ ኸይሃበ፡ ንበላዒ ኸኣ እንጌራ ኸይሃበ ናብኡ ዘይምለስ፡ 11 እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃል እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ ደስ ዝበለኒ* ብርግጽ ኪዓምም፡+ኣብቲ ዝልእኮ ድማ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ እምበር፡ብዘይ ፍረ ኣይኪምለስን እዩ።+ 12 ብሓጐስሲ ኽትወጹ፡+ብሰላም ከኣ ክትምለሱ ኢኹም።+ ኣኽራንን ኵርባታትን ኣብ ቅድሜኹም ብእልልታ ኺሕጐሱ እዮም፣+ኣእዋም መሮር እውን ብኣእዳዎም ኬጣቕዑልኩም እዮም።+ 13 ኣብ ክንዲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ ኦም ጽሕዲ* ኺዓቢ፡+ኣብ ክንዲ ኣምዐ ድማ፡ ኦም ኣደስ ኪዓቢ እዩ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ስምንዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ምልክትን ኬምጽኣሉ እዩ።”+ 17 “ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ተጻሒፉ ኣሎ። ብብልሒ ኣልማዝ ኣብ ጽላት ልቦምንኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢታቶምን ተቐሪጹ ኣሎ። 2 ደቆም ከኣ ንመሰውኢታቶምን ንኣዕኑድ ኣምልኾኦምን፡*+ኣብ ጥቓ ልሙዕ ኦም፡ ኣብ በረኽቲ ዅርባታት ይዝክሩ ኣለዉ፣+ 3 ኣብ መሮር ኣብ ዘሎ ኣኽራን እውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ጥሪትካን ኵሉ መዛግብትኻን፡ ንዘመተ ኽህብ እየ፣+እወ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ብዘሎ ሃገርካ ዘሎ ሓጢኣት ንበረኽትኻ ኸምኡ ኽገብር እየ።+ 4 ነቲ ዝሃብኩኻ ርስቲ ብፍቓድካ ኽትሓድጎ ኢኻ።+ ኣብ ዘይትፈልጣ ምድሪ ኸኣ ንጸላእትኻ ኸም እትግዛእ ክገብረካ እየ፣+ከመይሲ፡ ንቝጥዓይ ከም ሓዊ ወሊዕካዮ ኢኻ።*+ ንሓዋሩ ድማ ኪነድድ እዩ።” 5 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብሰብ ዚእመን፡*+ኣብ ሓይሊ ሰብ ከኣ ዚጽጋዕ፡*+ልቡ ድማ ካብ የሆዋ ዚርሕቕ ሰብ* ርጉም ይኹን። 6 ንሱ ኸምታ ኣብ ምድረ በዳ በይና ዘላ ኦም ኪኸውን እዩ። ጽቡቕ ኪመጽእ ከሎ ኣይኪርእን እዩ፣ግናኸ፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻ፡ሓደ እኳ ኣብ ዘይነብሮ ምድሪ ጨው ኪነብር እዩ። 7 ኣብ የሆዋ ዚውከል፡እምንቶኡ ድማ ኣብ የሆዋ ዚገብር ሰብ* ብሩኽ እዩ።+ 8 ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት፡ሰራውራ ኸኣ ናብቲ ወሓዚ እትሰድድ ኦም ይኸውን። ዋዒ ምስ መጸ፡ ኣየስተብህለሉን፣ኣቝጽልቱ ግና ወትሩ ይለምዕ።+ ብዓመት ደርቂ ድማ ኣይጭነቕን፣ካብ ምፍራይ እውን ኣየቋርጽን። 9 ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን* ቀባጽን* እዩ።+ መንከ ኺፈልጦ ይኽእል፧ 10 ኣነ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድታቱ፡ከከም ፍረ ግብርታቱ ምእንቲ ኽህቦስ፡+ንልቢ እፍትሾ፡+ንውሽጣዊ ሓሳባት* ከኣ እምርምሮ ኣለኹ። 11 ከምቲ ቆቛሕ ዘይወለደቶ እትእክብ፡ሃብቲ ብሸፈጥ* ዜጥሪ ድማ ከምኡ እዩ።+ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ይሓድጎ፣ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዓሻ ይኸውን።” 12 ቦታ መቕደስና፡ክቡር ዝፋን፡ ካብ መጀመርታ ልዕል ዝበለ እዩ።+ 13 ኦ የሆዋ፡ ተስፋ እስራኤል፡ኵሎም እቶም ዚሓድጉኻ ኺሓፍሩ እዮም። ኵሎም እቶም ዚኽሕዱኻ፡*ንየሆዋ እቲ ምንጪ ህያው ማይ ስለ ዝሓደጉ፡+ ኣብ ሓመድ ኪጽሓፉ እዮም።+ 14 ኦ የሆዋ፡ ኣሕውየኒ እሞ ኽሓዊ እየ። ኣድሕነኒ እሞ ኽድሕን እየ።+ ንስኻስ ውዳሰይ ኢኻ። 15 እንሆ፡ “ቃል የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧+ እስከ ይምጻእ!” ዚብሉኒ ኣለዉ። 16 ኣነ ግና፡ ጓሳ ዀይነ ንዓኻ ኻብ ምስዓብ ኣይሃደምኩን፣ንመዓልቲ መዓት እውን ኣይናፈቕኩን። ንዅሉ እቲ ኸናፍረይ እተዛረባኦ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ፣ኣብ ቅድሚ ገጽካ እዩ ዀይኑ! 17 መሸበሪ ኣይትኹነኒ። ብመዓልቲ መዓት መዕቈብየይ ኢኻ። 18 ሰጐጕተይ ደኣ ይሕፈሩ እምበር፡+ንዓይሲ ኣይተሕፍረኒ። ንሳቶም ደኣ ይሸበሩ እምበር፡ንዓይሲ ኣይተሸብረኒ። መዓልቲ መዓት ኣምጽኣሎም፣+ጨፍልቆም፡ ጠሪስካ* እውን ኣጥፍኣዮም። 19 የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ኬድካ ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዚኣትዉላን ዚወጹላን ኣፍ ደገ ደቂ ህዝብን ኣብ ኵሉ ኣፍ ደገታት የሩሳሌምን ደው በል።+ 20 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ኣቱም በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን እትኣትዉ ነገስታት ይሁዳን ኵላትኩም ህዝቢ ይሁዳን ኵላትኩም ነበርቲ የሩሳሌምን ቃል የሆዋ ስምዑ። 21 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ርእስኹም* ሓልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ጾር ዘበለ ኣይትጹሩ፡ ወይ ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኣይተእትዉ።+ 22 ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ዘበለ ኻብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ፣ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ።+ ከምቲ ንኣቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፡ ንመዓልቲ ሰንበት ቀድስዋ።+ 23 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ እዝኖም እውን ኣየድነኑን፣ ብንቕጽና ድማ ምእዛዝ ኰነ ተግሳጽ ምቕባል ኣበዩ።”’*+ 24 “‘“ግናኸ፡ ኣጸቢቕኩም እንተ ተኣዚዝኩምኒ” ይብል የሆዋ፡ “ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደገታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር እንተ ዘየእቲኹም፡ ገለ ዕዮ ብዘይምዕያይ ንሰንበት እንተ ቐዲስኩምዋ፡+ 25 ሽዑ፡ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታትን መሳፍንትን፡+ ንሳቶምን መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን እውን ኣብ ሰረገላን ኣብ ኣፍራስን ተወጢሖም ብኣፍ ደገታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም፣+ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ንሓዋሩ ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም። 26 ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ዙርያ የሩሳሌምን ካብ ምድሪ ብንያምን+ ካብ ቈላን+ ካብ ኣኽራንን ካብ ነጌብን* ድማ ሰባት ኪመጹ፡ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕሩድን+ መስዋእቲ እኽልን+ ጻዕዳ ዕጣንን መስዋእቲ ምስጋናን እውን ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ እዮም።+ 27 “‘“ግናኸ፡ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱን ጾር ከይትጾሩን ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ከይተእትዉን እንተ ዘይተኣዚዝኩምኒ፡ ንኣፍ ደገታታ ብሓዊ ኸንድዶ እየ፣ ንሱ ድማ ንእተዓርደ ግምብታት የሩሳሌም ብርግጽ ኪበልዖ እዩ፡+ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።”’”+ 30 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኵለን እተን እተዛረብኩኻ ቓላት ኣብ መጽሓፍ ጽሓፈን። 3 “እንሆ፡ ንምሩኻት ህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ዚእክበለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ”+ ይብል የሆዋ፡ “ናብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ ድማ ክመልሶም እየ፣ ንሳቶም እውን መሊሶም ኪርስተይዋ እዮም” ይብል የሆዋ።’”+ 4 እተን የሆዋ ንእስራኤልን ንይሁዳን እተዛረበን ቃላት እዚአን እየን። 5 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ደሃይ እቶም ራዕራዕ ዚብሉ ሰሚዕና ኣለና፣ሽበራ እምበር ሰላም የልቦን። 6 ሰብኣይ ኪወልድ ዚኽእል እንተ ዀይኑ እስከ ሕተቱ። ስለምንታይ ደኣ እየ ዅሉ ብርቱዕ ሰብኣይከም እትወልድ ሰበይቲ ኣእዳዉ ኣብ ከብዱ* ገይሩ ዝርኢ ዘለኹ፧+ ስለምንታይከ እዩ ዅሉ ገጽ ጸምልዩ ዘሎ፧ 7 ኣየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣስ እተስካሕክሕ* እያ።+ ከምኣ ዝበለ የልቦን፣ንያእቆብሲ ግዜ ጭንቁ እያ። ግናኸ፡ ካብኣ ኺድሕን እዩ።” 8 “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ኣርዑት ካብ ክሳድካ ኽሰብር፡ መእሰሪታትካ እውን ክበትኽ እየ፣ ድሕሪ ደጊም ከኣ ጓኖት ባርያኦም ኣይኪገብርዎን* እዮም። 9 ንየሆዋ ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ደኣ ኼገልግሉ እዮም።”+ 10 “ንዓኻ ኻብ ርሑቕ፡ንዘርእኻ ኸኣ ካብ ምድሪ ምርኮ ኸድሕን እየ እሞ፡+ንስኻ ድማ ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣይትፍራህ” ይብል የሆዋ፡“ኣታ እስራኤል እውን፡ ኣይትሸበር።+ ያእቆብ ኪምለስን ኪሃድእን እዩ፡ ኣይኪርበሽን ድማ እዩ፣ዜፍርሆ ኸኣ ኣይኪህሉን እዩ።”+ 11 “ከድሕነካስ ምሳኻ እየ” ይብል የሆዋ። “ንዅሎም እቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ ደኣ ኸጽንት እየ፣+ንዓኻ ግና ኣይከጽንተካን እየ።+ ብልክዕ ክግስጸካ* እየ እምበር፡ከይቀጻዕኩስ ኣይክሓድገካን እየ።”+ 12 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “መስበርትኺ ኣይሓውን እዩ።+ ቍስልኺ ዘይሓዊ እዩ። 13 ዚማጐተልኪ የልቦን፣ቍስልኺ ዚሓውየሉ መገዲ የልቦን። ንዓኺ ዚኸውን ፈውሲ የልቦን። 14 ብሰሪ እቲ ዓብዪ በደልክን ብዙሕ ሓጢኣትክን፡+ብመውቃዕቲ ጸላእንብመቕጻዕቲ ጨካንን ወቒዐኪ እየ እሞ፡+ኵሎም እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኺ ረሲዖምኺ እዮም።+ ደጊም ኣይደልዩኽን እዮም። 15 ስለምንታይ ኢኺ ብሰሪ መስበርትኺ እተእውዪ፧ ስቓይኪ ዘይሓዊ እዩ! ብሰሪ እቲ ዓብዪ በደልክን ብዙሕ ሓጢኣትክን፡+እዚ ገይረኪ ኣለኹ። 16 ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ዚውሕጡኺ፡ ኪውሓጡ፡+ኵሎም ጸላእትኺ እውን ናብ ምርኮ ኺውሰዱ እዮም።+ እቶም ዚዝርፉኺ፡ ኪዝረፉ እዮም፣ነቶም ዚዘምቱኺ ድማ፡ ንዘመተ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”+ 17 “ድርብይቲ፡ ‘ሓደ እኳ ዘይደልያ ጽዮን፡’+ኢሎም እኳ እንተ ጸውዑኺ፡ኣነ ግና ከጥዕየክን ቍስልኺ ኸሕውን እየ”+ ይብል የሆዋ። 18 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ንምሩኻት ድንኳናት ያእቆብ እእክቦም ኣለኹ፣+ንማሕደራቱ ድማ ክድንግጸሉ እየ። እታ ኸተማ ኣብ ኵርባኣ ዳግም ክትህነጽ እያ፣+እቲ እተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ኪቐውም እዩ። 19 ካባታቶም ከኣ ምስጋናን ደሃይ ሰሓቕን ኪወጽእ እዩ።+ ኣነ ኸሰስኖም እየ እሞ፡ ኣይኪውሕዱን እዮም፣+ከብዝሖም* እየ እሞ፡ኣብ ግምት ዘይኣትዉ ኣይኪዀኑን እዮም።+ 20 ደቁ ኸም ቀደም ኪዀኑ እዮም፣ኣኼባኡ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ኪጸንዕ እዩ።+ ንዅሎም ተጻረርቱ ድማ ስጕምቲ ኽወስደሎም እየ።+ 21 ዓብይኡ ሓደ ኻብኡ ኪኸውን፡ገዛኢኡ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ። ከቕርቦ፡ ንሱ ድማ ኪቐርበኒ እዩ።” “እንተ ዘይኰነስ፡ ኪቐርበኒ ዚደፍር* መን እዩ፧” ይብል የሆዋ። 22 “ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም፣+ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”+ 23 እንሆ፡ ህቦብላ ንፋስ የሆዋ ብነድሪ ኺወጽእ እዩ፣+ኣብ ርእሲ እኩያት ሕምብሊል ዚብል ዚዅስትር ህቦብላ እዩ። 24 ሓሳብ ልቡ ኽሳዕ ዚፍጽምን ዚገብርን፡+ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣይኪምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ነዚ ኽትርድእዎ ኢኹም።+ 35 ብዘመን ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ከምዚ ዚብል ቃል መጸ፦ 2 “ናብ ቤት ሬካባውያን+ ኪድ እሞ ተዛረቦም፣ ናብ ቤት የሆዋ፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን መመገቢ ኽፍልታት* ድማ ኣእትዎም፣ ኪሰትዩ ኸኣ ወይኒ ኣቕርበሎም።” 3 ኣነ ድማ ንያዛንያ ወዲ ኤርምያስ ወዲ ኻባጽንያን ንኣሕዋቱን ንዅሎም ደቁን ንብዘላ ቤት ሬካባውያንን ወሲደ፡ 4 ናብ ቤት የሆዋ ኣእቶኽዎም። ናብታ ኣብ ጥቓ መመገቢ ኽፍሊ መሳፍንቲ፡ ኣብ ልዕሊ መመገቢ ኽፍሊ ማዓስያ ወዲ ሻሉም እቲ ሓላው ማዕጾ ዘላ መመገቢ ኽፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ኣእቶኽዎም። 5 ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ቤት ሬካባውያን ወይኒ ዝመልአ ጽዋኣትን ዋናጩን ኣንቢረ፡ “ወይኒ ስተዩ” በልክዎም። 6 ንሳቶም ግና ከምዚ በሉ፦ “ወይኒ ኣይንሰትን ኢና፣ ስለምንታይሲ፡ ዮናዳብ+ ወዲ ሬካብ፡ ኣቦና፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ሂቡና እዩ፦ ‘ንስኻትኩምን ደቅኹምን ወይኒ ኣይትስተዩ። 7 ኣባይቲ ኣይትህነጹ፡ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉን ኣይተጥርዩን። የግዳስ፡ ኣብታ ጓኖት ኴንኩም እትነብርዋ ዘለኹም ምድሪ ንነዊሕ ግዜ ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ወትሩ ኣብ ድንኳናት ተቐመጡ።’ 8 ስለዚ፡ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ወይኒ ዘበለ ፈጺምና ብዘይምስታይ፡ ንድምጺ ዮናዳብ ወዲ ኣቦና ሬካብ ብዅሉ እቲ ዝኣዘዘና ንእዘዞ ኢና። 9 እንቕመጠለን ኣባይቲ ኸኣ ኣይንሃንጽን ኢና፣ ኣታኽልቲ ወይንን ግራውትን ዘርእን እውን የብልናን። 10 ኣብ ድንኳናት ኢና እንነብር፡ ነቲ ኣቦና ዮናዳብ ዝኣዘዘና ዅሉ ንእዘዝ ኢና። 11 ግናኸ፡ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ናብዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ደየበ፡+ ‘ካብ ሰራዊት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ንምምላጥ፡ ንዑናይ ናብ የሩሳሌም ንእቶ’ ኢልና፡ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጥና ኣለና።” 12 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 13 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ኪድ እሞ ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ከምዚ በሎም፦ “ቃለይ ክትእዘዙስ ብቐጻሊ ምሕጽንታዶ ኣይተዋህበኩምን፧”+ ይብል የሆዋ። 14 “ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፡ ወይኒ ኸይሰትዩ ኣዚዝዎምሲ፡ ንሳቶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዘይምስታይ ንቓላቱ ፈጺሞምዎ ኣለዉ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንኣቦኦም ይእዘዙ ኣለዉ።+ ኣነ ድማ ንዓኻትኩም ደጋጊመ* ተዛሪበኩም፣ ንስኻትኩም ግና ኣይተኣዘዝኩምንን።+ 15 ኣነ ኸኣ፡ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መገድታትኩም በጃኹም ተመለሱ፡+ ቅኑዕ ድማ ግበሩ! ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትኺዱ፡ ኣይተገልግልዎም እውን። ሽዑ፡ ኣብታ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝሃብኩኹም ምድሪ ኽትቅመጡ ኢኹም’+ ኢለ ንዅላቶም ገላዎይ ነብያት ደጋጊመ* ልኢኸልኩም።+ ንስኻትኩም ግና እዝንኹም ኣየድነንኩምን ወይ ኣይሰማዕኩምንን። 16 ደቂ ዮናዳብ ወዲ ሬካብሲ ነቲ ኣቦኦም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ፈጺሞምዎ እዮም፣+ እዞም ህዝቢ እዚኦም ግና ኣይሰምዑንን።”’” 17 “ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ተዛሪበዮም ኣይሰምዑን፡ ጸዊዐዮም ከኣ ኣይመለሱን እሞ፡+ እንሆ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኵሎም ነበርቲ የሩሳሌምን ኵሉ እቲ ዘጠንቀቕክዎም መዓት አምጽእ ኣለኹ።’”+ 18 ኤርምያስ ድማ ንቤተ ሰብ ሬካባውያን ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ትእዛዝ ኣቦኹም ዮናዳብ ስለ እተኣዘዝኩም፡ ብልክዕ ከምቲ ዝኣዘዘኩም ብምግባር ከኣ ኵሉ ትእዛዛቱ ትሕልዉ ስለ ዘለኹም፡ 19 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ካብ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዜገልግል ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ።”’” 31 “በቲ ግዜ እቲ” ይብል የሆዋ፡ “ንዅሎም ዓሌታት እስራኤል ኣምላኽ ክዀኖም እየ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።”+ 2 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እስራኤል ናብ መዕረፊኡ ኪኸይድ ከሎ፡እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ ኣብ በረኻ ሞገስ ረኺቡ።” 3 የሆዋ ኻብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ከምዚ እውን በለኒ፦ “ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቂረኪ። ስለዚ እየ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ናባይ ዝሰሓብኩኺ።*+ 4 ከም ብሓድሽ ከኣ ዳግም ክሃንጸኪ እየ እሞ፡ ዳግም ክትህነጺ ኢኺ።+ ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ከም ብሓድሽ ከበሮታትኪ ኸተልዕሊ፡ብታሕጓስ እናሳዕሳዕኪ እውን ክትወጺ ኢኺ።*+ 5 ኣብ ኣኽራን ሰማርያ ኸም ብሓድሽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሊ ኢኺ፣+እቶም ተኸልቲ ኺተኽሉ፡ ፍሪኡ ድማ ኪበልዑ እዮም።+ 6 እቶም ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘለዉ ሓለውትስ፡‘ተንስኡ፡ ናብ ጽዮን፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ንደይብ’ ኢሎም ዜድህዩላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ።”+ 7 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ንያእቆብ ብታሕጓስ ጨድሩሉ። ንስኻትኩም ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኢኹም እሞ እልል በሉ።+ ኣውጅዎ፣ ከምዚ ኢልኩም ድማ ወድሱ፦ ‘ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ፡ ንተረፍ እስራኤል ኣድሕኖ።’+ 8 ካብ ምድሪ ሰሜን መሊሰ አምጽኦም ኣለኹ።+ ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኽእክቦም እየ።+ ኣብ መንጎኦም ዕዉራትን ሓንካሳትን+ጥንስትን ቅልውላው ሕርሲ እተታሕዘትን ሓቢሮም ኪህልዉ እዮም። ዓብዪ ጉባኤ ዀይኖም ናብዚ ኺምለሱ እዮም።+ 9 እናበኸዩ ኺመጹ እዮም።+ ሞገስ እናለመኑ ኽመርሖም እየ። ኣነ ንእስራኤል ኣቦኡ እየ፡ ኤፍሬም ከኣ በዅረይ እዩ እሞ፡+ብዘይዕንቀፉላ ጥጥሕቲ መገዲ፡ናብ ወሓይዝ* ማያት ክወስዶም እየ።”+ 10 ኣቱም ኣህዛብ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፡ኣብተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ኣውጅዎ፦+ “እቲ ንእስራኤል ፋሕ ዘበሎ፡ ኪእክቦ እዩ። ከም ጓሳ ንመጓሰኡ ድማ ኪሕልዎ እዩ።+ 11 የሆዋስ ንያእቆብ ኪብጀዎ፡+ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዚሕይል ከኣ ኬናግፎ* እዩ።+ 12 ንሳቶም ኪመጹ፡ ኣብቲ በሪኽ ጽዮን ድማ እልል ኪብሉ፡+ብሕያውነት የሆዋን*ብእኽልን ብጕዕሽ ወይንን+ ብዘይትን፡ብውላዳት ጤለ በጊዖምን ከብቶምን እውን ኬንጸባርቑ እዮም።+ ማይ ከም ዝመልኦ ስፍራ ኣታኽልቲ ኪዀኑ፡*+ደጊም እውን ከቶ ኣይኪማስኑን እዮም።”+ 13 “ሽዑ፡ ድንግል ብታሕጓስ ክትስዕስዕ እያ፣ኣጕባዝን ኣረገውትን እውን ሓቢሮም ኪስዕስዑ እዮም።+ ሓዘኖም ናብ ፍስሃ ኽልውጦ እየ።+ ከጸናንዖም፡ ኣብ ክንዲ ጓሂ ኸኣ ሓጐስ ክህቦም እየ።+ 14 ንኻህናት ብኣኽል ታርፍ* ከጽግቦም እየ፣*ህዝበይ ድማ ብሕያውነተይ* ኪጸግብ እዩ”+ ይብል የሆዋ። 15 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ራማ+ ድምጺ ልቕሶን መሪር ብኽያትን ይስማዕ ኣሎ፦ ራሄል ንደቃ ትበኽየሎም ኣላ።+ ስለ እተወድኡ ድማ፡ስለ ደቃ ምጽንናዕ ኣብያ ኣላ።’”+ 16 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ተግባርኪ ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ድምጽኺ ኻብ ብኽያት፡ ኣዒንትኺ ኸኣ ካብ ንብዓት ዕገቲ’ ይብል የሆዋ። ‘ካብ ምድሪ ጸላኢ ኺምለሱ እዮም።’+ 17 ‘ንመጻኢኺ ድማ ተስፋ ኣሎ’+ ይብል የሆዋ። ‘ደቅኺ ናብ ሃገሮም ኪምለሱ እዮም።’”+ 18 “ከምዚ ዚብል ቍዝማ ኤፍሬም ብርግጽ ሰሚዐዮ ኣለኹ፦ ‘ከም ዘይጸረየ ዝራብዕ ጌርካንስኻ ኣሪምካኒ፡ ኣነ እውን ተኣሪመ። ንስኻ የሆዋ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ምለሰኒ፡ ኣነ እውን ብቐሊሉ ኽምለስ እየ። 19 ምስ ተመለስኩስ፡ ተጣዒሰ፡+ምስ ተረድኣኒ ኸኣ፡ ሰለፈይ ብጓሂ ወቒዐ እየ። ጸርፊ ንእስነተይ ጾይረ እየ እሞ፡ሓፊረን ተዋሪደን እየ።’”+ 20 “ኤፍሬምዶ ኽቡር ወደይ፡ ፍቑር ውሉደይ ኣይኰነን፧+ ኣንጻሩ ብእተዛረብኩ መጠን ግና፡ እዝክሮ ኣለኹ። ስለዚ እዩ ስምዒተይ* ዚለዓዓል ዘሎ።+ ብርግጽ እውን ክድንግጸሉ እየ” ይብል የሆዋ።+ 21 “መሐበሪታት መገዲ ኣቝሚ፡መፈለጥታታት ከኣ ግበሪ።+ ነቲ ጐደና፡ ነቲ እትኸድሉ መገዲ ኣቕልብሉ።+ ኣቲ ድንግል እስራኤል፡ ተመለሲ፡ ናብዘን ከተማታትኪ ተመለሲ። 22 ኣቲ ጠላም ጓል፡ ክሳዕ መዓስ ነግፈረግ ክትብሊ ኢኺ፧ የሆዋስ ኣብ ምድሪ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ ኣሎ፦ ሰበይቲ ንሰብኣይ ተሃንጥያ ኽትስዕቦ እያ።” 23 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ንምሩኻቶም መሊሰ ምስ ኣከብክዎም፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ከተማታታን መሊሶም ከምዚ ቓላት እዚ ኺብሉ እዮም፦ ‘ኣታ ጻድቕ መንበሪ፡+ ኣታ ቕዱስ ከረን፡ የሆዋ ይባርኽካ።’+ 24 ኣብኡ ድማ ይሁዳን ኵለን ከተማታቱን፡ ሓረስቶትን መጓሰኦም ዚመርሑን፡ ብሓባር ኪነብሩ እዮም።+ 25 ኣነስ ንዝደኸሙ ኸርውዮም፡ ንዝማሰኑ እውን ከጽግቦም እየ።”*+ 26 ድሕርዚ፡ ተበራበርኩ፡ ኣዒንተይ ከኣ ቋሕ ኣበልኩ፣ ድቃሰይ ድማ ባህ ኢሉኒ ነበረ። 27 “እንሆ፡ ንቤት እስራኤልን ንቤት ይሁዳን ብዘርኢ ሰብን ብዘርኢ ማልን ዝዘርኣለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ።+ 28 “ከምቲ ንምምሓውን ንምፍራስን ንምዕናውን ንምጥፋእን ንምጕዳእን+ እተቛመትክዎም፡ ከምኡ እውን ንምህናጽን ንምትካልን ክቋመቶም እየ”+ ይብል የሆዋ። 29 “በተን መዓልትታት እቲአን፡ ‘ኣቦታት መጺጽ ወይኒ በልዑ፣ ግናኸ፡ ኣስናን ደቂ ኰዀየ’*+ ደጊም ኣይኪብሉን እዮም። 30 ነፍሲ ወከፍ ብስሕተቱ ደኣ ኺመውት እዩ። መጺጽ ወይኒ ዚበልዕ ዘበለ ኸኣ፡ ኣስናኑ ኪዀዅዮ እዩ።” 31 “እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ”+ ይብል የሆዋ። 32 “ከምቲ ኣብታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብኢዶም ሒዘ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን፣+ ‘ኣነ ናይ ሓቂ ጐይታኦም* ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳነይ ኣፍሪሶምዎ’+ ይብል የሆዋ።” 33 “ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ እዩ” ይብል የሆዋ። “ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፡+ ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ እየ።+ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።”+ 34 “ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ፡+ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ ‘ንየሆዋ ፍለጦ’+ ኢሉ ኣይኪምህሮን እዩ” ይብል የሆዋ። “ከመይሲ፡ ስሕተቶም ይቕረ ኽብል፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።”+ 35 እቲ ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲ፡ሕግታት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ ዝሃበ፡እቲ ንባሕሪ ዜለዓዕሎን ንማዕበላቱ ዜናውጾን፡ስሙ እውን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝዀነ+የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ 36 “‘እዚ ስርዓታት እዚ ኸንቱ እንተ ዚኸውን፡’ ይብል የሆዋ፡‘ሽዑ ዘርኢ እስራኤል ንሓዋሩ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ምጠፍአ።’”+ 37 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማያት ኪልካዕ እንተ ዚከኣል፡ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሰረታት ምድሪ ኺምርመር እንተ ዚከኣል ነይሩ፡ ሽዑ ንዘርኢ እስራኤል ብሰሪ ዅሉ እቲ ዝገበርዎ ኽድርብዮም ምኸኣልኩ’ ይብል የሆዋ።”+ 38 “እንሆ፡ እዛ ኸተማ ኻብ ግምቢ ሓናንኤል+ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን+ ንየሆዋ እትህነጸለን+ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ። 39 “ገመድ መለክዒ+ ኸኣ ክሳብ ኵርባ ጋሬብ ትኽ ኢሉ ኺወጽእ፡ ናብ ጎዓ ድማ ኬብል እዩ። 40 ኵሉ እቲ ስንጭሮ* ሬሳታትን ሓምዅሽትን* ኵሉ እቲ ኽሳብ ስንጭሮ ቄድሮን+ ዘሎ ዛላታትን ከኣ፡ ናብ ምብራቕ ክሳብ መኣዝን ኣፍ ደገ ኣፍራስ፡+ ንየሆዋ እተቐደሰ ኪኸውን እዩ።+ ደጊም ከቶ ኣይኪምሓውን ወይ ኣይኪፈርስን እዩ።” 18 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ ካይላ ውረድ፣+ ኣብኡ ኸኣ ቃላተይ ከስምዓካ እየ።” 3 ኣነ ድማ ናብ ቤት ሰራሕ ካይላ ወረድኩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ መንኰርኰር ካይላ ይሰርሕ ነበረ። 4 እቲ ሰራሕ ካይላ ብመሬት ዚሰርሖ ዝነበረ ኣቕሓ ግና ኣብ ኢዱ ተበላሸወ። ስለዚ፡ እቲ ሰራሕ ካይላ ኸምቲ ኣብ ኣዒንቱ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ፡ መሊሱ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ። 5 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 6 “‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነስ ከምቲ እዚ ሰራሕ ካይላ እዚ ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይክእልን እየ፧’ ይብል የሆዋ። ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ ሰራሕ ካይላ ዘሎ፡ ከምኡ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም።+ 7 ብዛዕባ ምምሓውን ምፍራስን ምጥፋእን ህዝቢ ወይ መንግስቲ ምስ ዝዛረብ፡+ 8 እቲ ህዝቢ እቲ ድማ ነቲ እተዛረብኩሉ እከይ እንተ ሓዲግዎ፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ኸምጽኦ ሓሲበ ዝነበርኩ መዓት ሓሳበይ ክልውጥ እየ።*+ 9 ግናኸ፡ ብዛዕባ ምህናጽን ምትካልን ህዝቢ ወይ መንግስቲ ምስ ዝዛረብ፡ 10 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ምስ ዚገብርን ድምጸይ ምስ ዘይእዘዝን፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ኽገብሮ ሓሲበ ዝነበርኩ ጽቡቕ ሓሳበይ ክልውጥ እየ።’* 11 “ሕጂ፡ በጃኻ ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ መዓት አዳልወልኩም፡* ኣንጻርኩም ከኣ ሓሳብ እሓስበልኩም ኣለኹ። ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ፣ መገድታትኩምን ተግባራትኩምን ኣሐድሱ”’ በሎም።”+ 12 ንሳቶም ግና፡ “እዝስ ዘይከውን እዩ!+ ንሕናስ ደድሕሪ ሓሳብ ርእስና ኽንመላለስ ኢና፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከም ንቕጽና እቲ እኩይ ልቡ ኺገብር እዩ” በሉ።+ 13 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መንጎ ኣህዛብ እስከ በጃኹም ሕተቱ። ከምዚ ዝበለስ መን ሰሚዑ፧ ድንግል እስራኤል ዝኸፍአ ጉድ ገይራ።+ 14 ውርጪ ሊባኖስዶ ኻብ ኣኻውሕ ካብ ጎቦኡ ይጠፍእ እዩ፧ ወይስ ካብ ርሑቕ ዚውሕዝ ዝሑል ማያትዶ ይነጽፍ እዩ፧ 15 ህዝበይ ግና ረሲዑኒ።+ ንኸንቱስ ሰዊኦም* እዮም፣+ጥጡሕ ብዘይኰነ እሉይ መገድታት ኪኸዱስ፡ኣብ መገድታቶም፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ንሰብ ኣዐንቂፎም እዮም።+ 16 ስለዚ፡ ንምድሮም መሰክሒ፡+ንዘለኣለም ከኣ መፋጸዪ ኺገብርዋ እዮም።+ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ሰኪሑ ኺጥምትን ርእሱ ኺንቕንቕን እዩ።+ 17 ከም ንፋስ ምብራቕ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ፋሕ ከብሎም እየ። ብመዓልቲ መዓቶም ገጸይ ዘይኰነስ፡ ዝባነይ ከርእዮም እየ።”+ 18 ንሳቶም ድማ፡ “ሕጊ* ኻብ ካህናትና፡ ወይ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛታት፡ ወይ ቃል ካብ ነብያት ኣይጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ውዲት ንእለመሉ።+ ንዑ ኣንጻሩ ንዛረብ፡* ንዚብሎ ድማ ኣይነቕልበሉ” በሉ። 19 ኦ የሆዋ፡ ኣቕልበለይ፡ነቲ ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ። 20 ኣብ ክንዲ ጽቡቕዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ፧ ንሳቶምሲ ንህይወተይ* ጕድጓድ ኵዒቶምላ ኣለዉ።+ ጽቡቕ ክዛረበሎምን ቍጥዓኻ ኸርሕቐሎምን ኢለኸመይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝቘምኩ ዘክር። 21 ስለዚ፡ ደቆም ንጥሜት ሃብ፣ንሓይሊ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃቦም።+ ኣንስቶም ደቀን ዝሰኣናን መበለታትን ይኹና።+ ሰብኡቶም ድማ ብመቕዘፍቲ ይቀተሉ፣ኣጕባዞም እውን ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይቀተሉ።+ 22 ብሃንደበት ዘመትቲ ምስ ኣምጻእካሎም፡ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይሰማዕ። ኪሕዙንስ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፡ንኣእጋረይ ከኣ መጻወድያታት ኣጻዊዶምለይ እዮም።+ 23 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግናንዅሉ እቲ ኪቐትሉኒ ዝሓሰቡለይ ተንኰል ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።+ ስሕተቶም ኣይትሸፍን፣ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ። ብቝጥዓኻ ስጕምቲ ኽትወስደሎም ከለኻ፡+ኣብ ቅድሜኻ ይተዓንቀፉ።+ 23 “እቶም ንኣባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ፋሕ ዜብሉን ጓሶት፡ ወይለኦም!” ይብል የሆዋ።+ 2 ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣንጻር እቶም ንህዝበይ ዚጓስዩ ጓሶት ከምዚ ይብል፦ “ንኣባጊዐይ ፋሕ ኣቢልኩምወን ኣለኹም፡ ትብትንወን ድማ ኣለኹም፡ ቈላሕታ እውን ኣይገበርኩምለንን።”+ “ስለዚ፡ ብሰሪ እቲ እከይ ተግባርኩም፡ ቈላሕታይ ናባኻትኩም ክገብር እየ” ይብል የሆዋ። 3 “ኣነ ኸኣ ነተን ካብ ኣባጊዐይ ዝተረፋ ኻብ ኵሉ እቲ እተበተናሉ ሃገራት ክእክበን፡+ ናብ መጓሰይአን ድማ ከምጽአን እየ፣+ ንሳተን እውን ኪፈርያን ኪበዝሓን እየን።+ 4 ብሓቂ ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ።+ ደጊም ኣይኪፈርሃን ወይ ኣይኪሽበራን እየን፣ ሓንቲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ” ይብል የሆዋ። 5 “እንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ብቋል*+ ዘተንስኣሉ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡” ይብል የሆዋ። “ንጉስ ድማ ኪነግስ፡+ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ልቦና ኺገብር፡ ፍትሕን ጽድቅን እውን ኬውጽእ እዩ።+ 6 ብዘመኑ ይሁዳ ኺድሕን፡+ እስራኤል ድማ ብደሓን ኪነብር እዩ።+ እቲ ዚጽውዓሉ ስም ድማ እዚ እዩ፦ የሆዋ ጽድቅና እዩ።”+ 7 “ግናኸ፡ ደጊም፡ ‘ከምቲ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ዘይብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ።+ 8 “የግዳስ፡ ‘ከምቲ እቲ ንዘርኢ ቤት እስራኤል ካብ ምድሪ ሰሜንን ካብ ኵለን እተን ኣነ ዝበተንኩለን ሃገራትን ዘውጽኦ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ዚብሃለለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፣ ኣብ ምድሮም ድማ ኪቕመጡ እዮም።”+ 9 ብዛዕባ ነብያት ከኣ፦ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተሰይሩ ኣሎ። ኵሉ ኣዕጽምተይ ይናወጽ ኣሎ። ብምኽንያት የሆዋን ብምኽንያት ቅዱስ ቃላቱን፡ከም ስኹርንብወይኒ ኸም እተሰነፈን ኰይነ ኣለኹ። 10 እታ ምድርስ ብዘመውቲ መሊኣ ኣላ፣+ብሰሪ መርገም ከኣ እታ ምድሪ ትሓዝን ኣላ፣+መጓሰዪታት በረኻ እውን ነቒጹ ኣሎ።+ መገዶም እከይ እዩ፣ ንሓይሎም ድማ ብዘይ ግቡእ ይጥቀሙሉ። 11 “ነብይን ካህንንሲ ተበኪሎም* ኣለዉ።+ ኣብ ቤተይ እኳ እከዮም እረክብ ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ። 12 “ስለዚ፡ መገዶም መንደልሃጺትን ጸልማትን ክትከውን እያ፣+ኪድፍኡን ኪወድቁን እዮም። ኣነስ ብዓመት ምጽብጻብ፡መዓት ከምጽኣሎም እየ” ይብል የሆዋ። 13 “ኣብ ነብያት ሰማርያ+ ኸኣ ዜስገድግድ ነገር ርእየ ኣለኹ። ትንቢታቶም ካብ በዓል እዩ፣ንህዝበይ እስራኤል ድማ ኣስሒቶምዎ። 14 ኣብ ነብያት የሩሳሌም እውን ዜሰክሕ ነገር ርእየ ኣለኹ። ይዝምዉን+ ብሓሶት ይመላለሱን፣+ንገበርቲ እከይ የተባብዑ፡*ካብ እከዮም ከኣ ኣይምለሱን። ንዓይሲ ዅላቶም ከም ሶዶም፡+እቶም ነበርታ ድማ ከም ጎሞራ እዮም።”+ 15 ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣንጻር እቶም ነብያት ከምዚ ይብል፦ “ካብ ነብያት የሩሳሌምሲ ኽሕደት ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ እሞ፡እንሆ፡ መሪር ተኽሊ አብልዖም፡እተመረዘ ማይ እውን አስትዮም ኣለኹ።”+ 16 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ቃላት እቶም ዚንበዩልኩም ነብያት ኣይትስምዑ።+ የታልሉኹም እዮም ዘለዉ።* እቲ ዚዛረብዎ ራእይ ካብ ኣፍ የሆዋ ዘይኰነስ፡+ካብ ልቦም እዩ።+ 17 ነቶም ዚንዕቁኒ ብተደጋጋሚ፡‘የሆዋ፡ “ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ ኣሎ’ ይብልዎም ኣለዉ።+ ነቓጽ ልቦም ንዚስዕቡ ዘበሉ ዅሎም ድማ፡‘መዓት ኣይኪረኽበኩምን እዩ’ ይብልዎም ኣለዉ።+ 18 ቃሉ ኺርእን ኪሰምዕን ኢሉንየሆዋ መኻፍልቲ ምስጢሩ ዝዀነ መን እዩ፧ ኪሰምዖ ኢሉኸ ናብ ቃሉ ዘቕለበ መን እዩ፧ 19 እንሆ፡ ህቦብላ ንፋስ የሆዋ ብነድሪ ኺወጽእ እዩ፣ከም ብርቱዕ ዘራጊቶ ኣብ ርእሲ እኩያት ሕምብሊል ኪብል እዩ።+ 20 ሓሳብ ልቡ ኽሳዕ ዚፍጽምን ዚገብርን፡ቍጥዓ የሆዋ ኣይኪምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ነዚ ብንጹር ክትርድእዎ ኢኹም። 21 ነዞም ነብያት ኣይለኣኽክዎምን፣ ግናኸ፡ ይጐይዩ ኣለዉ። ኣይተዛረብክዎምን፣ ግናኸ፡ ይንበዩ ኣለዉ።+ 22 መኻፍልቲ ምስጢረይ እንተ ዚዀኑ ነይሮም ግና፡ንህዝበይ ቃለይ መስምዕዎም፡ካብ ክፉእ መገዶምን ካብ እኩይ ተግባራቶምን ምመለስዎም ነይሮም።+ 23 “ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ ድየ፧” ይብል የሆዋ፡ “ናይ ርሑቕ ኣምላኽ እውን ደይኰንኩን፧” 24 “ኣነ ኽርእዮ ኣብ ዘይክእል ስቱር ቦታ ኺሕባእ ዚኽእልዶ ኣሎ፧”+ ይብል የሆዋ። “ንሰማያትን ንምድርን ዝመልኦ ኣነ ደይኰንኩን፧”+ ይብል የሆዋ። 25 “ነቶም ብስመይ፡ ‘ሓሊመ! ሓሊመ!’+ እናበሉ ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ሰሚዐዮም ኣለኹ። 26 እዝስ ኣብ ልቢ እቶም ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ክሳዕ መዓስ እዩ ኺጸንሕ፧ ንሳቶምሲ ነብያት ምትላል ገዛእ ልቦም እዮም።+ 27 ከምቲ ኣቦታቶም ብሰሪ በዓል ንስመይ ዝረስዕዎ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንሓድሕዶም ዚነጋገርዎ ሕልምታቶም ንህዝበይ ስመይ ኬረስዕዎ ይሓስቡ ኣለዉ።+ 28 እቲ ዝሓለመ ነብዪ ሕልሙ ይንገር፣ እቲ ቓለይ ዘለዎ ግና ብሓቂ ቓለይ ይዛረብ።” “ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣለዎ፧” ይብል የሆዋ። 29 “ቃለይ ከም ሓውን+ ከውሒ ኸም ዚሰባብር ሞደሻን ደይኰነን፧”+ ይብል የሆዋ። 30 “ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣንጻር እቶም ካብ ንሓድሕዶም ቃለይ ዚሳራረቑ ነብያት እየ”+ ይብል የሆዋ። 31 “እንሆ፡ ኣንጻር እቶም ልሳኖም፡ ‘ይብል!’ ንምባል ዚጥቀሙሉ ነብያት እየ” ይብል የሆዋ።+ 32 “እንሆ፡ ኣንጻር እቶም ሕልሚ ሓሶት ዚነግሩ፡ ብሓሶቶምን ብትምክሕቶምን ከኣ ንህዝበይ ዜስሕትዎ ነብያት እየ” ይብል የሆዋ።+ “ግናኸ፡ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ወይ ኣይኣዘዝክዎምን። ስለዚ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሓንቲ እኳ ኣይኪጠቕምዎን እዮም”+ ይብል የሆዋ። 33 “እዚ ህዝቢ እዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህን፡ ‘ጾር* የሆዋ እንታይ እዩ፧’ ኢሎም እንተ ሓቲቶምኻ፡ ‘“እቲ ጾርሲ ንስኻትኩም ኢኹም! ኣነ እውን ክድርብየኩም እየ”+ ይብል የሆዋ’ ኢልካ መልሰሎም። 34 እቲ፡ ‘እዚ ጾር የሆዋ እዩ!’ ዚብል ነብዪ ወይ ካህን ወይ ህዝቢ፡ ቈላሕታይ ኣብቲ ሰብ እትን ኣብ ቤተ ሰቡን ክገብር እየ። 35 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ንሓዉን፡ ‘የሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱ፧ የሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ተዛሪቡ፧’ ይብል ኣሎ። 36 ግናኸ፡ እቲ ጾርሲ* ቓላት ነፍሲ ወከፍ እዩ፡ ቃላት እቲ ህያው ኣምላኽ፡ ኣምላኽና የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ለዊጥኩም ኢኹም እሞ፡ ደጊም ጾር* የሆዋ ኣይትበሉ። 37 “ንነብዪ ኸኣ ከምዚ ኽትብሎ ኢኻ፦ ‘የሆዋ እንታይ ኢሉ መሊሱልካ፧ የሆዋ እንታይ ኢሉ ተዛሪቡካ፧ 38 “ጾር* የሆዋ!” ትብሉ እንተ ዄንኩም፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘“ጾር* የሆዋ” ኣይትበሉ!’ ምስ በልኩኹም፡ ‘እዚ ቓል እዚ ጾር* የሆዋ እዩ’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፡ 39 እንሆ፡ ንዓኻትኩምን ነታ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝሃብኩኹም ከተማን ኣልዒለ ኻብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ። 40 ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ሕስራንን ዘለኣለማዊ ውርደትን ድማ ከውርደልኩም እየ።”’”+ 34 ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን ኵሎም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዘለዉ መንግስትታት ምድርን ኵሎም ህዝብታትን ምስ የሩሳሌምን ምስ ኵለን ከተማታታን ኪዋግኡ ኸለዉ፡ ካብ የሆዋ ኸምዚ ዚብል ቃል ናብ ኤርምያስ መጸ፦+ 2 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኬድካ ንጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ተዛረቦ፡ ከምዚ እውን በሎ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ እህባ ኣለኹ፣ ንሱ እውን ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።+ 3 ንስኻ ድማ ብርግጽ ተታሒዝካ ኣብ ኢዱ ኽትውሃብ ኢኻ እሞ፡ ካብ ኢዱ ኣይከተምልጥን ኢኻ።+ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ዓይኒ ንዓይኒ ኽትርእዮ፡ ኣፍ ንኣፍ ድማ ክትዛረቦ፡ ናብ ባቢሎን እውን ክትከይድ ኢኻ።’+ 4 ግናኸ፡ ኦ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ ‘የሆዋ ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል፦ “ብሰይፊ ኣይክትመውትን ኢኻ። 5 ‘ኣነ ነዚ ቓል ተዛሪበዮ እየ እሞ፡’ ይብል የሆዋ፡ ብሰላም ክትመውት ኢኻ፣+ ከምቲ ንኣቦታትካ፡ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ዝገበሩሎም ከኣ፡ ስነ ስርዓት ምንዳድ ኪገብሩልካ፡ ‘ዋይ፡ ጐይታይ!’ ኢሎም ኪሓዝኑልካ እዮም።”’”’” 6 ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ የሩሳሌም ኵለን እዘን ቃላት እዚአን ነገሮ፣ 7 ሽዑ፡ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ምስ የሩሳሌምን ምስ ኵለን እተን ዝተረፋ ኸተማታት ይሁዳን፡+ ምስ ላኪሽን+ ዓዜቃን+ ይዋግኡ ነበሩ፣ ካብ ከተማታት ይሁዳ ተሪፈን ዝነበራ እተዓርዳ ኸተማታትሲ ንሳተን ጥራይ ነበራ። 8 ንጉስ ጼዴቅያስ ሓርነት ኪእውጅ ኢሉ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ህዝቢ ኺዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ፣+ 9 እቲ ኺዳን ከኣ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይሁዳዊ ባርያ ኸይገብርሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ እብራዊ ባርያኡን ንኣንስተይቲ እብራዊት ባርያኡን ሓራ ኼውጽእ እዩ ዝነበረ። 10 ስለዚ፡ ኵሎም እቶም መሳፍንትን ኵሎም እቶም ህዝብን ተኣዘዙ። ነፍሲ ወከፍ ንተባዕታይ ባርያኡን ንኣንስተይቲ ባርያኡን ሓራ ኼውጽእ፡ ድሕሪ ደጊም እውን ባሮት ገይሩ ኸይሕዝ ኪዳን ኣተዉ። ተኣዚዞም ከኣ ይኺዱ ሓደግዎም። 11 ደሓር ግና መሊሶም ነቶም ሓራ ኣውጺኦምዎም ዝነበሩ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት መለስዎም፣ ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ባርነት ኪምለሱ ገደድዎም። 12 ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ኸምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 13 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ በታ ንኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡+ ምሳታቶም ከምዚ ኢለ ኺዳን ኣቶኹ፦+ 14 “ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ ዓመት፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ናባኻትኩም እተሸጠን ሽዱሽተ ዓመት እተገዝኣኩምን እብራዊ ሓውኩም ሓራ ኣውጽእዎ፣ እወ፡ ሓራ ኣውጽኣዮ።”+ ኣቦታትኩም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖም እውን ኣየድነኑን። 15 ኣብዚ ቐረባ እዋን* ድማ፡ ንስኻትኩም ተመሊስኩም፡ ንብጾትኩም ሓርነት ብምእዋጅ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ጌርኩም፣ ኣብታ ብስመይ እትጽዋዕ ቤት ከኣ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣቲኹም። 16 ግናኸ፡ ድሕሪኡ ተመሊስኩም ነቶም ከም ትምኒቶም* ሓራ ኣውጺእኩምዎም ዝነበርኩም ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ብምምላስ፡ ንስመይ ኣርከስኩምዎ፣+ ናብ ባርነት ኪምለሱ ኸኣ ገደድኩምዎም።’ 17 “ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይተኣዘዝኩምንን።+ ስለዚ፡ ንሰይፍን ንለበዳን* ንጥሜትን+ ሓርነት ክእውጀልኩም እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ንዅሎም መንግስትታት ምድሪ ኸኣ መሰክሒ ኽገብረኩም እየ።+ 18 እቶም ምራኽ ኣብ ክልተ ኪቘርጹን ብመንጎ እቲ ምቃላት ኪሓልፉን ከለዉ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ኺዳን ብዘይምፍጻም ንቓላት እቲ ኺዳነይ ዝጠሓሱ፡+ 19 ማለት፡ መሳፍንቲ ይሁዳን መሳፍንቲ የሩሳሌምን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን ካህናትን ኵሎም እቶም በቲ ምቃላት ምራኽ ዝሓለፉ ህዝቢ እታ ምድርን ከምዚ ኪዀኑ እዮም፦ 20 ኣብ ኢድ ጸላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፣ ሬሳታቶም ከኣ ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንእንስሳታት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ።+ 21 ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ኣብ ኢድ ጸላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ኣብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዜንሳሕብ ዘሎ+ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን+ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።’ 22 “‘እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ናብዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ክመልሶም እየ፣ ንሳቶም ከኣ ኪዋግእዋን ኪሕዝዋን ብሓዊ ኼንድድዋን እዮም፣+ ንኸተማታት ይሁዳ ድማ ነባሪ ዘይብለን ባድም ክገብረን እየ።’”+ 19 የሆዋ ኸምዚ በለ፦ “ኪድ እሞ ኻብ ሰራሕ ካይላ ሳርማ ዓድግ።+ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ህዝብን ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ኻህናትን ድማ ተማላእ፣ 2 ናብቲ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኣጋልዕ ዘሎ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም ውጻእ።+ ኣብኡ ኸኣ እቲ ኣነ ዝዛረበካ ቓላት ኣውጅ። 3 ከምዚ እውን በል፦ ‘ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “‘“ኣብዛ ቦታ እዚኣ መዓት አምጽእ ኣለኹ፣ ንዝሰምዖ ዘበለ ኸኣ ኣእዛኑ ጸላዕላዕ ዜብል እዩ። 4 ስለምንታይሲ፡ ንዓይ ሓዲጎምኒ፡+ ነዛ ቦታ እዚኣ ድማ ከም ዘይትልለ ገይሮምዋ።+ ኣብኣ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈለጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ይስውኡ ኣለዉ፣ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ብደም ንጹሃት መሊኦምዋ ኣለዉ።+ 5 ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ኣብ ልበይ* ከቶ ዘይመጸንሲ፡+ ኣወዳቶም ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሮም ንበዓል ብሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡+ በረኽቲ በዓል ሰሪሖም።”’ 6 “‘“ስለዚ፡ እንሆ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ቶፌት ወይ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም ተባሂላ ዘይትጽውዓለን፡ የግዳስ፡ ስንጭሮ ማሕረዲ እትብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ።+ 7 “ኣነ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንውጥናት ይሁዳን የሩሳሌምን ከተዓናቕፍ እየ፣ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ከውድቖም እየ። ሬሳታቶም ድማ ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪዀኑ ኽህብ እየ።+ 8 ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ መሰክሕን መፋጸይን ክገብራ እየ። ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ብዅሉ መዓታ ሰኪሑ ኺጥምታን ኬፋጽን እዩ።+ 9 ብሰንኪ ኸበባን ብሰንኪ እቲ ብጸላእቶምን በቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ምስ ተኸርደኑ ዚስምዖም ቅባጸትን፡ ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ስጋ ብጻዮም ኪበልዑ እዮም።”’+ 10 “ሽዑ፡ ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም እተማላእካዮም ሰባት ስበራ፣ 11 ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣቕሓ ሰራሕ ካይላ ኸቶ ኸም ዘይዕረ ጌርካ ዚስበር፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከምኡ ገይረ ኽሰብሮም እየ፣ ንምቕባሮም ቦታ ኽሳዕ ዚሰኣን ከኣ፡ ንምዉታት ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም።”’+ 12 “‘ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ቶፌት ክገብራስ፡ ነዛ ቦታ እዚኣን ንነበርታን ከምኡ ኽገብር እየ’ ይብል የሆዋ። 13 ‘ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን ድማ፡ እወ፡ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ዝሰውኡለንን ንኻልኦት ኣማልኽቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለንን ኣባይቲ፡+ ከምዛ ቦታ እዚኣ፡ ከም ቶፌት ኪረኽሳ እየን።’”+ 14 ኤርምያስ ካብቲ የሆዋ ኺንበ ኢሉ ዝለኣኾ ቶፌት ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት የሆዋ ደው ኢሉ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኸምዚ በለ፦ 15 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ብንቕጽና ንቓላተይ ምእዛዝ ኣብዮም* እዮም እሞ፡ እንሆ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን ኣብ ኵለን ዓድታታን ኵሉ እቲ እተዛረብኩላ መዓት አምጽእ ኣለኹ።’”+ 20 እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ቐንዲ ብዓል መዚ ዝነበረ ኻህን ጳሽሑር ወዲ ኢመር፡ ኤርምያስ እዚ ነገር እዚ ኺንበ ኸሎ ይሰምዕ ነበረ። 2 ሽዑ፡ ጳሽሑር ንነብዪ ኤርምያስ ወቕዖ፡ ኣብታ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረት ላዕለወይቲ ኣፍ ደገ ብንያም ከኣ ኣብ ጕንዲ ኣሰሮ።+ 3 ንጽብሒቱ ጳሽሑር ንኤርምያስ ካብቲ ጕንዲ ምስ ፈትሖ ግና፡ ኤርምያስ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ፡ ጳሽሑር ኢሉ ዘይኰነስ፡ ሽበራ ኣብ ዙርያ ኢሉ ሰምዩካ ኣሎ።+ 4 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ንርእስኻን ንዅሎም ፈተውትኻን መሸበሪ ኽገብረካ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኣዒንትኻ እናረኣያ ብሰይፊ ጸላእቶም ኪወድቁ እዮም፣+ ንዅላ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክህባ እየ፣ ንሱ ድማ ናብ ምርኮ ናብ ባቢሎን ኪወስዶም፡ ብሰይፊ እውን ኪቐትሎም እዩ።+ 5 ኵሉ ሃብቲ እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ጥሪታን ኵሉ ኽቡር ነገራታን ኵሉ መዛግብቲ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ጸላእቶም ክህብ እየ።+ ንሳቶም ከኣ ኪዘምትዎን ኪሕዝዎን ናብ ባቢሎን ኪወስድዎን እዮም።+ 6 ኣታ ጳሽሑር፡ ንስኻን ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ዅሎምን ናብ ምርኮ ኽትከዱ ኢኹም። ናብ ባቢሎን ክትከይድን ኣብኣ ኽትመውትን ኢኻ፣ ሓሶት ተነቢኻሎም ኢኻ እሞ፡ ምስ ኵሎም ፈተውትኻ ኣብኣ ኽትቅበር ኢኻ።’”+ 7 ኦ የሆዋ፡ ኣዐሺኻኒ፡ ኣነ እውን ዓሽየ። በርቲዕካኒ፡ ስዒርካኒ ድማ።+ ምሉእ መዓልቲ መስሓቒ ዀይነ፣ኵሉ የላግጸለይ ኣሎ።+ 8 ብእተዛረብኩ መጠን አእዊ፡“ዓመጻን ጥፍኣትን!” ኢለ እጭርሕ ኣለኹ። ቃል የሆዋስ ምሉእ መዓልቲ መጽረፍን መባጨውን ኰይኑኒ።+ 9 ስለዚ፡ “ብዛዕባኡ ኣይከልዕልን፡ብስሙ እውን ኣይክዛረብን እየ” ኢለ ነይረ።+ ግናኸ፡ ኣብ ኣዕጽምተይ ተዓጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀይኑኒ፣ኣነ ኸኣ ብምሓዙ ደኺመ፣ክጻወሮ እውን ኣይከኣልኩን።+ 10 ብዙሕ ክፉእ ወረስ ሰሚዐ እየ፣ሽበራ ኸቢቡኒ ኣሎ።+ “ኰንንዎ፣ ንዀንኖ!” ኵሉ እቲ ሰላም ዚምነየለይ ሰብ፡ ውድቀተይ ይጽበ ኣሎ፦+ “ምናልባት ብዕሽነት ይጋገ ይኸውን፣ክንስዕሮን ሕነና ኽንፈድን ድማ ኢና።” 11 ግናኸ፡ የሆዋ ኸም ዜፍርህ ጅግና ምሳይ እዩ።+ ስለዚ፡ እቶም ሰጐጕተይ ኪዕንቀፉ፡ ኣይኪስዕሩን እውን እዮም።+ ኣይኪሰልጦምን እዩ እሞ፡ ኣዝዮም ኪሓፍሩ እዮም። ዘለኣለማዊ ውርደቶም ኣይኪርሳዕን እዩ።+ 12 ንስኻ ግና ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጻድቕ ትምርምሮ ኣለኻ፣ውሽጣዊ ሓሳባትን* ልብን ትርኢ ኢኻ።+ ጕዳየይ ናባኻ ኣማዕቊበ ኣለኹ እሞ፡+ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ።+ 13 ንድኻ* ኻብ ኢድ ገበርቲ እከይ ኣናጊፉ እዩ እሞ፡ንየሆዋ ዘምሩሉ! ንየሆዋ ወድስዎ! 14 እታ እተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን! እታ ኣደይ ንዓይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ!+ 15 እቲ ንኣቦይ ዘበሰሮ፡“ወዲ፡ እወ ተባዕታይ ተወሊዱልካ” ዝበሎ እሞ፡ብዙሕ ዘሐጐሶ ሰብ ርጉም ይኹን! 16 እቲ ሰብ እቲ ኸምተን የሆዋ ብዘይ ጣዕሳ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን። ንግሆ ኣውያት፡ ቀትሪ ድማ ደሃይ መጠንቀቕታ ይስማዕ። 17 ኣደይ መቓብረይ ክትከውን፡ማሕጸና ኸኣ ንሓዋሩ ብጥኑሱ ኺጸንሕሲ፡ስለምንታይ ኣብ ማሕጸን ከለኹ ዘይቀተለኒ፧+ 18 ሽግርን ጓህን ክርኢ፡መዓልትታተይ ከኣ ብሕፍረት ክውድእሲ፡+ስለምንታይ ካብ ማሕጸን ወጺአ፧ 3 “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ሰዲድዋ፡ ንሳ እውን ንዕኡ ሓዲጋ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀይና፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ፧” ይብሃል እዩ። እታ ምድሪ እቲኣስ ጠሪሳዶ ኣይተበከለትን፧+ “ምስ ብዙሓት ብጾትኪ መንዚርኪ ኢኺ፣+እሞኸ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ፧” ይብል የሆዋ። 2 “ኣዒንትኺ ናብ መላጥ ኵርባታት ኣልዒልኪ ርኣዪ። ኣበይ እሞ ኢኺ ዘይተዓመጽኪ፧ ከም ዘላን* ኣብ በረኻ፡ኣብ ጥቓ መገድታት ኮፍ ኢልክሎም። ብምንዝርናኽን ብእከይክንነታ ምድሪ በኪልክያ።+ 3 ስለዚ፡ ዝናም ተኸልኪሉ፣+ዝናም ጽብሓት እውን የልቦን። ሕንከት ዘይብሉ ገጽ* ናይ እትምንዝር ሰበይቲ ኣሎኪ፣ምሕፋር ከኣ ኣቢኺ።+ 4 ሕጂ ግና ከምዚ ኢልኪ ትጽውዕኒ ኣለኺ፦ ‘ኣቦየ፡ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ!+ 5 ንዘለኣለምዶ ተቐይምካ ይንበር እዩ፧ ወይስ ንሓዋሩዶ ቒም ይትሓዝ እዩ፧’ ንስኽስ ከምኡ ትብሊ፣ኵሉ እቲ ኽትገብርዮ እትኽእሊ ኽፉእ ግና ትገብሪ ኣለኺ።”+ 6 ብዘመን ንጉስ ዮስያስ፡+ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “‘እዛ ዘይእምንቲ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ፧ ክትምንዝርሲ ናብ ኵሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ናብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን ደዪባ።+ 7 እዚ ዅሉ ምስ ገበረት እኳ፡ ናባይ ክትምለስ መመሊሰ ነጊረያ፣+ ንሳ ግና ኣይተመልሰትን፣ ይሁዳ ኸኣ ነታ ጠላሚት ሓብታ ትርኢ ነይራ።+ 8 እዚ ምስ ረኣኹ፡ ነታ ዘይእምንቲ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ዝሙታ፡+ ምሉእ ጽሑፍ መፍትሒኣ+ ሂበ ሰዲደያ። እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ግና ኣይፈርሀትን፣ ንሳ እውን ከይዳ መንዚራ።+ 9 ንምንዝርናኣ ኣቕሊላ ርእያቶ፣ ነታ ምድሪ ድማ በኪላታ፣ ምስ ኣእማንን ምስ ኣእዋምን ከኣ መንዚራ።+ 10 እዚ ዅሉ ዀይኑ ኽነሱ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ፡ ከተምስል እምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትን’ ይብል የሆዋ።” 11 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ እታ* ዘይእምንቲ እስራኤል ትጸድቕ።+ 12 ኪድ እሞ ነዚ ቓላት እዚ ናብ ሰሜን ኣውጆ፦+ “‘“ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ተመለሲ” ይብል የሆዋ።’+ ‘“ኣነ እሙን እየ እሞ፡ ብቝጥዓ ኣትሒተ ኣይክርእየኩምን* እየ”+ ይብል የሆዋ።’ ‘“ንዘለኣለም ኣይክቕየምን እየ። 13 ካብ የሆዋ ኣምላኽኪ ኢኺ ዓሊኺ እሞ፡ ጌጋኺ ጥራይ ተኣመኒ። ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦም፡ ምስ ጓኖት* ብስጋ ተራኺብኪ፣* ድምጸይ ግና ኣይተኣዘዝክን” ይብል የሆዋ።’” 14 “ኣቱም ከዳዓት ደቂ፡ ተመለሱ” ይብል የሆዋ። “ኣነስ ናይ ሓቂ ጐይታኹም* ኰይነ ኣለኹ፣ ሓደ ኻብ ከተማ፡ ክልተ ድማ ካብ ዓሌት ክወስደኩም፡ ናብ ጽዮን ከኣ ከምጽኣኩም እየ።+ 15 ከም ልበይ ዝዀኑ ጓሶት ክህበኩም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ብፍልጠትን ብልቦናን ኪምግቡኹም እዮም። 16 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብታ ምድሪ ኽትበዝሑን ክትፋረዩን ኢኹም፡” ይብል የሆዋ።+ “ደጊም ‘ታቦት ኪዳን የሆዋ!’ ኣይኪብሉን እዮም። ኣብ ልቦም ኣይኪመጽእን፡ ኣይኪዝክርዎን እዮም፣ ኣይኬድልዮምን፡ ከም ብሓድሽ እውን ኣይኪግበርን እዩ። 17 ሽዑ፡ ንየሩሳሌም ዝፋን የሆዋ ኺብልዋ እዮም፣+ ኵሎም ኣህዛብ ናብ ስም የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ኪእከቡ እዮም፣+ ደጊም ከኣ ነቲ እኩይ ልቦም ብንቕጽና ኣይኪስዕቡን እዮም።” 18 “በተን መዓልትታት እቲአን፡ ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ብሓባር ኪመላለሱ እዮም፣+ ብሓባር ድማ ካብ ምድሪ ሰሜን ናብታ ንኣቦታቶም ርስቲ ገይረ ዝሃብክዎም ምድሪ ኺመጹ እዮም።+ 19 ኣነ ኸኣ፡ ‘ኣብ መንጎ ደቂ ዚብሃግ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝጸበቐ ርስቲ* ሂበ ኸመይ ኰን እየ ዘንበርኩኺ!’ ኢለ ሓሲበ።+ ‘ኣቦይ!’ ኢልኪ ኸም እትጽውዕኒ፡ ንዓይ ካብ ምስዓብ ድማ ከም ዘይትምለሲ እውን ሓሲበ። 20 ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ* እትጠልሞ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ጠሊምኩምኒ’+ ይብል የሆዋ።” 21 መገዶም ኣቕኒኖም እዮም፡ንየሆዋ ኣምላኾም ድማ ረሲዖምዎ እዮም እሞ፡+ኣብ መላጥ ኵርባታት ደሃይ ተሰሚዑ፣ንሱ ብኽያትን ልማኖን ህዝቢ እስራኤል እዩ። 22 “ኣቱም ከዳዓት ደቂ፡ ተመለሱ። ካብ ክድዓትኩም ከሕውየኩም እየ።”+ “ንስኻ ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽና ኢኻ እሞ፡እነና፡ ናባኻ መጺእና ኣለና።+ 23 ኵርባታትን ኣብ ኣኽራን ዘሎ ህውከትንሲ ብሓቂ ናይ ሓሶት እዩ።+ ብሓቂ ኣብ የሆዋ ኣምላኽና እዩ ድሕነት እስራኤል ዘሎ።+ 24 እቲ ዜሕፍር ነገር* ግና ጻዕሪ ኣቦታትና፡መጓሰኦምን ከብቶምን፡ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ካብ ንእስነትና ኣትሒዙ በሊዑ።+ 25 ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኣትሕዚና ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡+ንየሆዋ ኣምላኽና በዲልናዮ ኢና፡+ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና ኸኣ ኣይተኣዘዝናን እሞ፡ብሕፍረት በጥ ንበል፡ውርደትና እውን የጐልብበና።” 52 ጼዴቅያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 21 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 11 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ሓሙጣል+ እዩ፣ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። 2 ንሱ ኸኣ፡ ከም ኵሉ እቲ ዮያቂም ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 3 እዚ ድማ ብምኽንያት ቍጥዓ የሆዋ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኰነ።+ ጼዴቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዓለወ።+ 4 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ንግስና ጼዴቅያስ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ኣንጻር የሩሳሌም መጸ። ኣንጻራ ሰፊሮም ድማ፡ ብዙርያኣ መንደቕ ከበባ ሃነጹላ።+ 5 እታ ኸተማ ድማ ክሳዕ መበል 11 ዓመት ንጉስ ጼዴቅያስ ተኸቢባ ነበረት። 6 ኣብ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ+ ኸኣ፡ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፣ ንህዝቢ እታ ምድሪ ድማ እንጌራ ኣይነበረን።+ 7 መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ብሓደ ቦታ ፈረሰ፣ ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለዉ ድማ፡ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ስፍራ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ድርብ መካበብያ ዘሎ ኣፍ ደገ ኣቢሎም ካብታ ኸተማ ሃደሙ፣ ብኣንፈት ዓራባ ኸኣ ከዱ።+ 8 እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና፡ ንንጉስ ሰዓብዎ፣ ንጼዴቅያስ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ያሪኮ ኣርከብዎ፣+ ኵሉ ሰራዊቱ ድማ ካብ ጐድኑ ፋሕ በለ። 9 ሽዑ፡ ንንጉስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኣብ ምድሪ ሓማት ዘላ ሪብላ ኣደየብዎ፣ ንሱ ኸኣ ፈረዶ። 10 ንጉስ ባቢሎን ድማ ንደቂ ጼዴቅያስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሓረዶም፣ ንዅሎም መሳፍንቲ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣብ ሪብላ ሓረዶም። 11 ሽዑ፡ ንጉስ ባቢሎን ንጼዴቅያስ ኣዒንቱ ኣዖሮ፣+ ብመቝሕ ነሓሲ ኣሲሩ እውን ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ፣ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ። 12 ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንሳ ድማ ኣብ መበል 19 ዓመት ንጉስ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን፡ ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ ውሽጢ የሩሳሌም መጸ።+ 13 ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን ንዅለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣንደደ፣+ ንዅለን ዓበይቲ ኣባይቲ እውን ኣንደደ። 14 እቲ ምስቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ብዘሎ ሰራዊት ከለዳውያን ድማ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዝነበረ መካበብያ ኣፍረሶ።+ 15 ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ገለ ኻብቶም ትሑታት እቲ ህዝብን ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ነቶም ናብ ንጉስ ባቢሎን ሰሊሞም ዝነበሩ ኸዳዓትን ነቶም ዝተረፉ ኽኢላታት ኢደ ጥበበኛታትን እውን ወሰዶም።+ 16 ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና፡ ንገለ ኻብቶም ድኻታት ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንን ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎን ኪዀኑ ኢሉ ሓደጎም።+ 17 እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኣዕኑድ ነሓስን+ ነቲ ዓረብያታትን+ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ባሕሪ ነሓስን+ ሰባበርዎ፣ ንዅሉ እቲ ነሓሲ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።+ 18 ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን መቐዛት መጥፍእን ጭሔሎታትን+ ጽዋኣትን+ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግል ዝነበረ ኣቕሑ ነሓስን እውን ወሰድዎ። 19 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቲ ኻብ ናይ ሓቂ ወርቅን ብሩርን እተገብረ+ ገበራታትን+ መትሓዚታት ሓውን ጭሔሎታትን ድስትታትን ቀወምቲ ቐነዲልን+ ጽዋኣትን ጭሔሎታትን ወሰዶ። 20 ኵሉ ኣቕሑ ነሓሲ እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት የሆዋ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ባሕርን ኣብ ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዝነበረ 12 ብዕራይ ነሓስን+ ዓረብያታትን ከኣ ኪምዘን ዚከኣል ኣይነበረን። 21 እቲ ኣዕኑድ ድማ፡ ነናይ ሓደ ዓንዲ ቝመት 18 እመት* ነበረ፣ ዙርያኡ ኸኣ 12 እመት ዝንውሓቱ ገመድ ነበረ፣+ ርጕዱ ድማ ኣርባዕተ ስፍሓት ኣጻብዕ* ነበረ፣ ጓንጓ እውን ነበረ። 22 ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ርእሲ ዓንዲ ኸኣ ካብ ነሓሲ ነበረ። ቍመት ሓደ ርእሲ ዓንዲ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረ፣+ ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ ርእሲ ዓንዲ ዝነበረ መርበብን ሮማናትን ከኣ ካብ ነሓሲ እተገብረ ነበረ። እቲ ኻልኣይ ዓንድን እቲ ሮማናትን ከኣ ከምኡ ነበረ። 23 ኣብ ጐድንታቱ 96 ሮማን ነበረ፣ ኣብ ዙርያ እቲ መርበብ፡ ኵሉ ዅሉ 100 ሮማን ነበረ።+ 24 እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንሰራያ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ንጸፎንያስ+ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስተ ሓለውቲ ማዕጾን ወሰዶም።+ 25 ካብታ ኸተማ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ተመዚዙ ዝነበረ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስትን ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ምስ ንጉስ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ሸውዓተ ሰባትን እቲ ንህዝቢ እታ ምድሪ ዚእክቦም ጸሓፊ ሓለቓ ሰራዊትን ካብ ተራ ህዝቢ እታ ምድሪ ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ 60 ሰባትን ወሰደ። 26 ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ወሲዱ፡ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም። 27 ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ+ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። በዚ ኸምዚ፡ ይሁዳ ኻብ ምድሩ ተማረኸ።+ "28 እቶም ነቡካድነጻር* ናብ ምርኮ ዝወሰዶም ህዝቢ እዚኣቶም እዮም፦ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት፡ 3,023 ኣይሁድ።+ " 29 ኣብ መበል 18 ዓመት ነቡካድነጻር፡*+ 832 ሰባት* ካብ የሩሳሌም ተወስዱ። "30 ኣብ መበል 23 ዓመት ነቡካድነጻር፡* ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ናብ ምርኮ ዝወሰዶም ኣይሁድ፡ 745 ሰባት* እዮም።+ ኵሉ ዅሎም 4,600 ሰባት* ናብ ምርኮ ተወስዱ። " 31 ኣብ መበል 37 ዓመት ምርኮ ዮያኪን+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ኣብ መበል 25 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ፈትሖ፡* ካብ ቤት ማእሰርቲ እውን ኣውጽኦ።+ 32 ንዕኡ ኸኣ ጽቡቕ ተዛረቦ፣ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበለ። 33 ዮያኪን ከኣ ክዳውንቲ ማእሰርቱ ቐንጠጠ፣ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ድማ ወትሩ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ። 34 ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ፡ ወትሩ ኻብ ንጉስ ባቢሎን መዓልታዊ ቐለብ ይውሃቦ ነበረ። 24 ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ንየኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ምስቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም መሳፍንቲ ይሁዳን ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን* ናብ ምርኮ ምስ ወሰዶ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተነብራ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ፣ 2 እታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዚበስል በለስ ዝበለ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፣ እታ ሓንቲ መሶብ ግና ካብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ። 3 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “በለስ፣ እቲ ጽቡቕ በለስ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ፣ እቲ ሕማቕ በለስ ግና ካብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ እዩ” በልኩ።+ 4 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 5 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቶም ካብዛ ቦታ እዚኣ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ፡ ከምዚ ጽቡቕ በለስ እዚ፡ ጽቡቕ ገይረ ኽርእዮም እየ። 6 ንጽቡቖም ድማ ኣዒንተይ ኣባታቶም ክገብር፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ እውን ክመልሶም እየ።+ ክሃንጾም እምበር፡ ኣይከፍርሶምን እየ፣ ክተኽሎም እምበር፡ ኣይክምሕዎምን እየ።+ 7 ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡኒ ኸኣ ልቢ ኽህቦም እየ።+ ብዅሉ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡+ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+ 8 “‘ብዛዕባ እቲ ኻብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ግና፡+ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ነቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝተረፉን ነቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚቕመጡ ዘለዉን ከምኡ ገይረ ኽርእዮም እየ።+ 9 ኣብ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንመሰክሕን ንመዓትን ኪዀኑ፡+ ኣብ ኵሉ እቲ ኣነ ዝብትኖም ቦታታት+ ድማ ንመጻረፍን ንመመሰልን ንመላገጽን ንመራገምን+ ክገብሮም እየ። 10 ካብታ ንዓታቶምን ንኣቦታቶምን ዝሃብክዎም ምድሪ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ሰይፍን+ ጥሜትን ለበዳን*+ ክሰድደሎም እየ።”’” 32 ኣብ 10ይ ዓመት ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ማለት ኣብ መበል 18 ዓመት ነቡካድነጻር፡* ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ።+ 2 ሽዑ፡ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፣ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ዚርከብ ኣጸድ ሓለውቲ ተኣሲሩ ነበረ።+ 3 ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳስ ከምዚ ኢሉ ኣሲርዎ ነበረ፦+ “ስለምንታይ ከምዚ ኢልካ ተነቢኻ፧ ንስኻስ ከምዚ ትብል ኣለኻ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፣ ንሱ እውን ኪሕዛ እዩ።+ 4 ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብርግጽ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኪውሃብ እዩ፡ ኣፍ ንኣፍ ከኣ ኪዛረቦ፡ ዓይኒ ንዓይኒ እውን ኪርእዮ እዩ እሞ፡ ካብ ኢድ ከለዳውያን ኣይኬምልጥን እዩ።”’+ 5 ‘ንሱ ንጼዴቅያስ ናብ ባቢሎን ኪወስዶ እዩ፣ ኣነ ቘላሕታ ኽሳዕ ዝገብረሉ እውን ኣብኡ ኺጸንሕ እዩ’ ይብል የሆዋ። ‘ምስ ከለዳውያን እኳ እንተ ተዋጋእኩም፡ ኣይኪሰልጠኩምን እዩ።’”+ 6 ኤርምያስ ድማ ከምዚ በለ፦ “ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 7 ‘እንሆ፡ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦኻ ሻሉም፡ “ቀዳማይ መሰል ምብጃው ዘሎካ ንስኻ ኢኻ እሞ፡+ ነታ ኣብ ዓናቶት ዘላ ግራተይ ንዓኻ ዓድጋ” ኢሉ ኺመጸካ እዩ።’”+ 8 ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ከኣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ናብቲ ኣጸድ ሓለውቲ መጺኡ፡ “ንስኻ መሰል ርስትን ምብጃውን ኣሎካ እሞ፡ ነታ ኣብ ዓናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ በጃኻ ዓድጋ። ንዓኻ ዓድጋ” በለኒ። ሽዑ፡ እዚ ብቓል የሆዋ ኸም ዝዀነ ፈለጥኩ። 9 ስለዚ፡ ነታ ኣብ ዓናቶት ዘላ ግራት ካብ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ዓደግክዋ። ነቲ ገንዘብ፡ ሸውዓተ ሲቃልን* ዓሰርተ ብሩርን ድማ መዘንኩሉ።+ 10 ኣብ ሰነድ ውዕል መዝጊበ፡+ ሓቲመ፡ መሰኻኽር ጸዊዐ ኸኣ፡+ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ። 11 ነታ ሰነድ ውዕል መሸጣ፡ ነታ ኸም ትእዛዝን ሕግን እተሓትመትን ነታ ዘይተሓትመትን ወሲደ፡ 12 ነታ ሰነድ ውዕል መሸጣ ንባሩኽ+ ወዲ ኔርያ+ ወዲ ማህሰያ ኣብ ቅድሚ ሃናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብታ ሰነድ ውዕል መሸጣ ዝጸሓፉ መሰኻኽርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሃብክዎ።+ 13 ንባሩኽ ከኣ ከምዚ ኢለ ኣብ ቅድሚኦም ኣዘዝክዎ፦ 14 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንነዊሕ እዋን ኪዕቀባስ፡ ነዘን ሰነዳት ውዕል እዚአን፡ ነዛ ሰነድ ውዕል መሸጣ፡ ነታ እተሓትመትን ነታ ዘይተሓትመትን ሰነድ ውዕል ወሲድካ፡ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣንብረን።’ 15 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ‘ኣባይትን ግራውትን ኣታኽልቲ ወይንን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ብሓድሽ ኪዕደግ እዩ’ ይብል ኣሎ።”+ 16 እታ ሰነድ ውዕል መሸጣ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ምስ ሃብክዎ ድማ፡ ከምዚ ኢለ ናብ የሆዋ ጸለኹ፦ 17 “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! እንሆ፡ ንስኻ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ሰማያትን ምድርን ገበርካ።+ ንዓኻ ዚሰኣነካ* ነገር የልቦን። 18 ንስኻ ንኣሽሓት ብተኣማንነት እተፍቅር፡ ስሕተት ኣቦታት ግና ብድሕሪኦም ንደቆም* እትፈዲ፡+ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ዓብይን ሓያልን፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስምካ ኢኻ። 19 ብምኽሪ* ዓብዪ፡ ብግብሪ ድማ ሓያል፡+ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድታቱን ከከም ግብሩን ክትህቦስ+ ንዅሉ መገድታት ሰብ ብኣዒንትኻ እትዕዘብ ኢኻ።+ 20 ንስኻ ኣብ ምድሪ ግብጺ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዚፍለጥ ትእምርትታትን ተኣምራትን ገበርካ፣ በዚ ኸምዚ ኣብ እስራኤልን ኣብ ሰባትን፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ንርእስኻ ስም ገበርካ።+ 21 ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዜሸብር ተግባራትን ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጻእካዮ።+ 22 “ነዛ ንኣቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ምድሪ፡ ነዛ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ+ ድማ ሃብካዮም።+ 23 ንሳቶም ከኣ መጺኦም ተረስተይዋ፣ ግናኸ፡ ንድምጽኻ ኣይተኣዘዙን፡ ብሕግኻ እውን ኣይተመላለሱን። ንዅሉ እቲ ኺገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበሩን፣ ስለዚ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ መዓት ኣውረድካሎም።+ 24 እንሆ፡ ነዛ ኸተማ ኺሕዝዋ ዕርዲ ኸበባ ዚዅምሩላ መጺኦም ኣለዉ፣+ ብሰሪ ሰይፍን+ ጥሜትን ለበዳን*+ ድማ፡ እዛ ኸተማ ብርግጽ ኣብ ኢድ እቶም ዚዋግእዋ ዘለዉ ከለዳውያን ክትወድቕ እያ፣ እቲ ዝበልካዮ፡ ከምዚ ሕጂ እትርእዮ ዘለኻ፡ ኵሉ ዀይኑ እዩ። 25 ግናኸ፡ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዛ ኸተማ ብርግጽ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ክትውሃብ እኳ እንተ ዀነት፡ ‘ግራት ብገንዘብ ንዓኻ ዓድግ፡ መሰኻኽር ድማ ጸውዕ’ ኢልካኒ ኢኻ።” 26 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 27 “እንሆ፡ ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኵሉ ሰብ* እየ። ንዓይዶ ዚሰኣነኒ* ነገር ኣሎ እዩ፧ 28 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፣ ንሱ እውን ኪሕዛ እዩ።+ 29 እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዚዋግእዋ ዘለዉ ከለዳውያን ከኣ ኪመጹ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምስተን ምእንቲ ኬዀርዩንስ ኣብ ናሕሰን ንበዓል ዝሰውኡለንን መስዋእቲ መስተ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዘፍሰሱለንን ኣባይቲ+ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም።’+ 30 “‘ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳንሲ ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ጥራይ እዮም ገይሮም፣+ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ብግብሪ ኣእዳዎም የቘጥዑኒ እዮም’ ይብል የሆዋ። 31 ‘እዛ ኸተማ እዚኣስ ካብታ ዝሃነጽዋ መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ካብ ቅድሚ ገጸይ ከርሕቓስ፡+ መቘጥዕን መነደርን ጥራይ እያ ዀይናትኒ፣+ 32 እዚ ድማ ብሰሪ እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፡—ንሳቶምን ነገስታቶምን+ መሳፍንቶምን+ ካህናቶምን ነብያቶምን+ ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡—ኬዀርዩኒ ዝገበርዎ ዅሉ እከይ እዩ። 33 ገጾም ዘይኰነስ፡ ዝባኖም መሊሶምለይ፣+ ደጋጊመ* ኽምህሮም እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ተግሳጽ ንምቕባልሲ ዋላ ሓዲኦም ኣይሰምዑን።+ 34 ነታ ብስመይ እትጽዋዕ ቤት ኬርክስዋ ኸኣ፡ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ኣብኣ ኣንቢሮምዎም።+ 35 ንይሁዳ ኼሕጥእዎስ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ንሞሌኽ+ ብሓዊ ምእንቲ ኼሕልፉ፡ ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም*+ በረኽቲ በዓል ሰሪሖም፣ ከምዚ ዝበለ ፍንፉን ነገር ምግባርሲ፡ ኣነ ዘይኣዘዝክዎን+ ኣብ ልበይ* ከቶ ዘይመጸን እዩ።’ 36 “ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባ እዛ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ እያ እትብላ ዘለኻ ኸተማ ኸምዚ ይብል፦ 37 ‘እንሆ፡ ካብቲ ብዅራይን ብነድረይን ብዓብዪ ቝጥዓይን ዝበተንክዎም ሃገራት ክእክቦም እየ፣+ ናብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ክመልሶም፡ ብደሓን ከኣ ከንብሮም እየ።+ 38 ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+ 39 ንጽቡቖምን ብድሕሪኦም ንጽቡቕ ደቆምን ወትሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ፡+ ሓደ ልብን+ ሓንቲ መገድን ክህቦም እየ። 40 ንዓታቶም ጽቡቕ ካብ ምግባር ከም ዘይምለስ+ ከኣ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም እየ፣+ ካባይ ምእንቲ ኸይምለሱ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ።+ 41 ፍስሃይሲ ንዓታቶም ጽቡቕ ብምግባር ኪኸውን እዩ፣+ ብዅሉ ልበይን ብዅሉ ነፍሰይን* ድማ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብጽኑዕ ክተኽሎም እየ።’”+ 42 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ እዚ ዓብዪ መዓት እዚ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዘምጻእኩ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዘተስፍዎም ዘለኹ ዅሉ ጽቡቕ ከምጽኣሎም እየ።+ 43 “ሰብን እንስሳን ዘይብላ ባድም እያ፣ ንከለዳውያን ከኣ ኣሕሊፍካ ተዋሂባ እያ” ትብል እኳ እንተ ኣለኻ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ግራውቲ ኸም ብሓድሽ ኪዕደግ እዩ።’+ 44 “‘ኣነ ንምሩኻቶም ክመልሶም እየ እሞ፡+ ኣብ ምድሪ ብንያምን+ ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን+ ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ቈላን+ ኣብ ከተማታት ደቡብን ግራውቲ ብገንዘብ ኪዕደግ፡ ሰነዳት ውዕል መሸጣ ኸኣ ኪምዝገብን ኪሕተምን፡ መሰኻኽር እውን ኪጽውዑ እዮም’ ይብል የሆዋ።” 7 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “ኣብ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ደው በል እሞ ኣብኡ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣውጅ፦ ‘ኣቱም ንየሆዋ ኽትሰግዱ በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን እትኣትዉ ህዝቢ ይሁዳ ዅላትኩም፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 3 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “መገድታትኩምን ተግባራትኩምን ኣሐድሱ፣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኽትነብሩ ድማ ክፈቕደልኩም እየ።+ 4 ‘ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ እዚኣ እያ!’* ኢልኩም ብመታለሊ ቓላት ኣይትተኣመኑ።+ 5 ብሓቂ መገድታትኩምን ተግባራትኩምን እንተ ኣሐዲስኩም፡ ኣብ መንጎ ሰብን ብጻዩን ብሓቂ ፍትሒ እንተ ጌርኩም፡+ 6 ንጓኖትን ንዘኽታማትን* ንመበለታትን እንተ ዘይጨቊንኩም፡+ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፡ ንጕድኣትኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይስዒብኩም፡+ 7 ሽዑ ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ኣብዛ ንኣቦታትኩም ንሓዋሩ* ዝሃብክዎም ምድሪ እዚኣ ኽትነብሩ ኽፈቕደልኩም እየ።”’” 8 “ንስኻትኩም ግና ብመታለሊ ቓላት ትእመኑ ኣለኹም፣+ ንሱስ ሓንቲ እኳ ዘይጠቅም እዩ። 9 ሰሪቕኩም፡+ ቀቲልኩም፡ ዘሚኹም፡ ብሓሶት ምሒልኩም፡+ ንበዓል ሰዊእኩም፡*+ ደድሕሪ ዘይፈለጥኩምዎም ኣማልኽቲ ስዒብኩም ክነስኹምሲ፡ 10 መጺእኩምዶ ኣብዛ ስመይ ዝጾረት ቤት ኣብ ቅድመይ ክትቈሙን እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት እናገበርኩም ‘ክንድሕን ኢና’ ኽትብሉን ኢኹም፧ 11 እዛ ስመይ ዚጽውዓላ ቤትዶ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም በዓቲ ጐሓሉት ኰይና እያ፧+ እንሆ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየዮ ኣለኹ” ይብል የሆዋ። 12 “‘ግናኸ፡ ሕጂ ናብ ሺሎ፡+ ናብታ ኣብ ፈለማ ስመይ ዘንበርኩላ ቦታ+ ኺዱ፣ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከኣ እንታይ ከም ዝገበርክዋ ርኣዩ።+ 13 ንስኻትኩም ግና እዚ ዅሉ ትገብሩ ኣለኹም’ ይብል የሆዋ፡ ‘ደጋጊመ* እኳ እንተ ተዛረብኩኹም ድማ፡ ኣይሰማዕኩምን።+ ጸዊዐኩም፡ ግናኸ ኣይመለስኩምን።+ 14 ስለዚ፡ ነዛ እትእመኑላ+ ዘለኹም ስመይ ዚጽውዓላ ቤት እዚኣ፡+ ነዛ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝሃብክዋ ቦታ እዚኣ፡ ከምቲ ንሺሎ ዝገበርክዋ ኽገብራ እየ።+ 15 ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፡ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዝደርበኽዎም፡ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብየኩም እየ።’+ 16 “ንስኻ ኸኣ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ። ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡+ ምእንታኦም ኣይተእዊ፡ ኣይትጸሊ፡ ወይ ኣይትለምን።+ 17 ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ዚገብርዎ ዘለዉዶ ኣይትርእን ኢኻ፧ 18 ደቂ፡ ዕንጨይቲ ይእክቡ፡ ኣቦታት ከኣ ሓዊ ይኣጕዱ ኣለዉ፣ ኣንስቲ ድማ ንንግስቲ ሰማይ* መስዋእቲ እንጌራ ኺስንክታስ ብሑቝ ይለውሳ ኣለዋ፣+ ኬዀርዩንስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ መስዋእቲ መስተ የፍስሱ ኣለዉ።+ 19 ‘ግናኸ፡ ንዓይ ድዮም ዚጐድኡ* ዘለዉ፧’ ይብል የሆዋ። ‘ምእንቲ ኺሓፍሩስ፡ ንርእሶም ደይኰኑን፧’+ 20 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ቍጥዓይን ነድረይን ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ኣብ ሰብን እንስሳን፡ ኣብ ኣእዋም መሮርን ፍረ ምድርን ኪክዖ እዩ፣+ ኪነድድ፡ ኣይኪጠፍእን ድማ እዩ።’+ 21 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ኪዱ፡ ነቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹም፡ መስዋእቲ ሕሩድ ወስኹሉ፣ ነቲ ስጋ ድማ ብልዕዎ።+ 22 በታ ንኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን ብዛዕባ መስዋእቲ ሕሩድን ኣይተዛረብክዎምን፡ ወይ ኣይኣዘዝክዎምን።+ 23 እዚ ደኣ እየ ዝኣዘዝክዎም፦ “ድምጸይ ተኣዘዙ እሞ፡ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም።+ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልኩም፡ ብዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም መገዲ ተመላለሱ።”’+ 24 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ወይ እዝኖም ኣየድነኑን፣+ ንእኩይ ልቦም ብንቕጽና እናሰዓቡ ደኣ እዮም ብሓሳቦም* እተመላለሱ፣+ ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ምኻድ፡ ንድሕሪት ተመሊሶም፣ 25 ካብታ ኣቦታትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ገይሮም።+ ስለዚ፡ ኵሎም ገላዎይ ነብያት ልኢኸልኩም፣ መዓልቲ መዓልቲ ደጋጊመ* ልኢኸልኩም።+ 26 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑንን፣ እዝኖም እውን ናባይ ኣየድነኑን።+ የግዳስ፡ ነቓጻት እዮም ነይሮም፣* ካብ ኣቦታቶም ዚገድድ ድማ ገይሮም! 27 “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ኽትዛረቦም ኢኻ፣+ ግናኸ፡ ኣይኪሰምዑኻን እዮም፣ ክትጽውዖም ኢኻ፣ ግናኸ፡ ኣይኪምልሱልካን እዮም። 28 ‘ድምጺ የሆዋ ኣምላኹ ዘይተኣዘዘ፡ ተግሳጽ ከኣ ምቕባል ዝኣበየ ህዝቢ እዚ እዩ። ተኣማንነት ጠፍአት፣ ኣብ መንጎኦም ከኣ ዋላ እኳ ኣይትጥቀስን እያ’* ኽትብሎም ኢኻ።+ 29 “የሆዋ ነዚ ዘቘጥዖ ወለዶ እዚ ደርብይዎ እዩ፡ ክሓድጎ እውን እዩ እሞ፡ ዘይተቘርጸ* ጸጕርኺ ላጺኺ ደርብዪ፣ ኣብ መላጥ ኵርባታት ልቕሶ ግበሪ። 30 ‘ደቂ ይሁዳስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ገይሮም እዮም’ ይብል የሆዋ። ‘ምእንቲ ኼርክስዋስ፡ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ኣብታ ስመይ ዚጽውዓላ ቤት ኣቚሞምዎም እዮም።+ 31 ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ኣብ ልበይ* ከቶ ዘይመጸንሲ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ብሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡+ ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም፡*+ በረኽቲ ቶፌት ሰሪሖም።’+ 32 “‘ስለዚ፡ እንሆ፡ ንሳ ቶፌት ወይ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም* ተባሂላ ዘይትጽውዓለን፡ የግዳስ፡ ስንጭሮ ማሕረዲ እትብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። ‘ቦታ ኽሳዕ ዚስኣን፡ ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም።+ 33 ሬሳታት እዚ ህዝቢ እዚ ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንእንስሳታት ምድርን ምግቢ ኪኸውን እዩ፣ ያዕ ዚብሎም እውን ኣይኪህሉን እዩ።+ 34 እታ ምድሪ ኽትዓኑ እያ እሞ፡+ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ንደሃይ ፍስሃን ንደሃይ ታሕጓስን፡ ንድምጺ መርዓውን ንድምጺ መርዓትን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።’”+ 48 ብዛዕባ ሞኣብ፡+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ጠፊኣ እያ እሞ፡ ወይለኣ ኔቦ!+ ቂርያታዪም+ ሓፊራን ተታሒዛን ኣላ። እቲ እምባ* ሓፊሩን ፈሪሱን እዩ።+ 2 ድሕሪ ደጊም ንሞኣብ ኣይኪውድስዋን እዮም። ‘ንዑ፡ ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ’ ኢሎምኣብ ሔስቦን+ ውድቀታ ኣሊሞምላ ኣለዉ። ኣቲ ማድሜን እውን፡ሰይፊ ይስዕበኪ ኣሎ እሞ፡ ስቕ በሊ። 3 ካብ ሖሮናይም+ ደሃይ ኣውያት፡ደሃይ ጥፍኣትን ዓብዪ ውድቀትን ይስማዕ ኣሎ። 4 ሞኣብ ተሰይራ እያ። ደቃ ብኽያቶም የስምዑ ኣለዉ። 5 ኣብ ዓቐበት ሉሒት እናበኸዩ ይድይቡ ኣለዉ፣ካብ ሖሮናይም ኣብ ዜውርድ ቍልቍለት ድማ ብሰንኪ መዓት ደሃይ ጭንቂ ይስማዕ ኣሎ።+ 6 ህደሙ፡ ንህይወትኩም* ኢልኩም ኣምልጡ! ከም ኦም ጽሕዲ* ኣብ በረኻ ኹኑ። 7 ብግብርታትክን ብመዛግብትኽን ስለ እተኣመንኪ፡ንስኺ እውን ክትተሓዚ ኢኺ። ከሞሽ+ ከኣ ምስ ካህናቱን መሳፍንቱንናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ። 8 እቲ መጥፍኢ ናብ ኵለን ከተማታት ኪመጽእ እዩ፣ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይከተምልጥን እያ።+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ስንጭሮ* ኺጠፍእ፡ጐልጐል* እውን ኪበርስ እዩ። 9 ሞኣብ እናዓነወት ክትሃድም እያ፡ከተማታታ እውን ነባሪ ዘይብለን መሰክሒኪዀና እየን እሞ፡ምልክት ግበሩላ።+ 10 ተልእኾ የሆዋ ብሸለልትነት ዚፍጽም ርጉም ይኹን! ሰይፉ ኻብ ምፍሳስ ደም ዚገትእ ርጉም ይኹን! 11 ሞኣባውያን ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም፡ኣብ ልዕሊ ሓተላኡ ኸም ዝጸንሐ ወይኒ ኣይተረበሹን። ካብ ሓደ ኣቕሓ ናብ ካልእ ኣቕሓ ኣይተገልበጡን፣ናብ ምርኮ ኣይከዱን። ስለዚ እዩ ጣዕሞም ዘይተለወጠ፡መዓዛኦም እውን ዘይተቐየረ። 12 “‘ስለዚ፡ እንሆ፡ ዚገላብጥዎም ሰባት ዚሰድደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። ‘ኪግልብጥዎምን ንኣቕሑኦም ጥራዩ ኺገብርዎን እዮም፣ ንኣጋንኦም ከኣ ኪሕምሽሽዎ እዮም። 13 ከምቲ ቤት እስራኤል በታ እምንቶኡ ዝዀነት ቤት-ኤል ዝሓፈረ፡ ሞኣባውያን ድማ ብከሞሽ ኪሓፍሩ እዮም።+ 14 “ንውግእ እተዳሎና ሓያላት ጀጋኑ ኢና” እትብሉስ ክንደይ ትደፍሩ፧+ 15 ‘ሞኣብ ጠፊኣ እያ፣ከተማታታ ኸኣ ተወሪረን እየን፣+ሕሩያት ኣጕባዞም እውን ተሓሪዶም እዮም’+ይብል እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ።+ 16 ጭንቂ ሞኣባውያን ኣብ ቀረባ ግዜ ይመጽእ ኣሎ፣ውድቀቶም እውን ብቕልጡፍ ይቐርብ ኣሎ።+ 17 ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ፡ኵሎም እቶም ስሞም ዚፈልጡ፡ ኪድንግጹሎም እዮም። ‘ኣየ እቲ ሓያል በትሪ፡ እቲ ዘንጊ ጽባቐ ኸመይ ኰን እዩ እተሰብረ!’ በልዎም። 18 ኣቲ ኣብ ዲቦን+ እትነብሪ ጓል፡ እቲ መጥፍኢ ሞኣብ ናባኺ ደዪቡ፡ንዕርድታትኪ ኸኣ ኬዕንዎ እዩ እሞ፡+ካብ ክብርኺ ውረዲ፣ጸሚእኪ* እውን ኮፍ በሊ። 19 ኣቲ ነባሪት ዓሮዔር፡+ ኣብ ጥቓ መገዲ ደው ኢልኪ ጠምቲ። ነቲ ዚሃድምን ነታ እተምልጥን፡ ‘እንታይ እዩ ዀይኑ፧’ ኢልኪ ሕተቲ። 20 ሞኣብ ሓፊራን ተሸቢራን ኣላ። ዋይዋይ በሉን ኣእውዩን። ሞኣብ ከም ዝጠፍአት፡ ኣብ ኣርኖን+ ኣውጁ። 21 “ፍርዲ ናብ ምድሪ ጐልጐል፡*+ ኣብ ልዕሊ ሖሎንን ያሃጽን+ ሜፋዓትን+ መጺኡ ኣሎ፣ 22 ኣብ ልዕሊ ዲቦንን+ ኔቦን+ ቤት-ዲብላታይምን፡ 23 ኣብ ልዕሊ ቂርያታዪምን+ ቤት-ጋሙልን ቤት-ምዖንን፡+ 24 ኣብ ልዕሊ ቄሪዮትን+ ቦጽራን፡ ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘለዋ ኸተማታት ምድሪ ሞኣብ እውን ይመጽእ ኣሎ። 25 ‘ብርታዐ* ሞኣብ ተቘሪጹ፡ቅልጽሙ ኸኣ ተሰይሩ እዩ’ ይብል የሆዋ። 26 ‘ንየሆዋ ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡+ ኣስክርዎ።+ ሞኣብ ኣብ ትፋኡ የንገርግር ኣሎ፣መላገጺ ድማ ኰይኑ ኣሎ። 27 እስራኤልዶ መላገጺ ዀይኑካ ኣይነበረን፧+ ርእስኻ ኽትንቕንቕን ኣንጻሩ ኽትዛረብንሲ፡ኣብ መንጎ ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ፧ 28 ኣቱም ነበርቲ ሞኣብ፡ ካብ ከተማታት ወጺእኩም ኣብ ኣኻውሕ ንበሩ፣ከምታ ኣብ ገማግም ጸድፊ ሰፈራ እትሰርሕ ርግቢ እውን ኩኑ።’” 29 “ብዛዕባ ትምክሕቲ ሞኣብ፡—ኣዝዩ ዕቡይ ምዃኑ፡—ብዛዕባ ዅርዓቱን ትምክሕቱን ትዕቢቱን ልዕልና ልቡን ሰሚዕና ኣለና።”+ 30 “‘ነድሩ እፈልጥ እየ’ ይብል የሆዋ፡‘እቲ ባዶ ዘረባኡ ግና ከንቱ ኪኸውን እዩ። ሓንቲ እኳ ኣይኪገብሩን እዮም። 31 ስለዚ፡ ንሞኣብ ዋይዋይ ክብለሉ፡ንዅሉ ሞኣብ ድማ ክበኽየሉ፡ንሰብ ቂር-ሔሬስ+ እውን ክቝዝመሎም እየ። 32 ካብቲ ንያዕዜር+ እተበኽየላ ብኽያት ዚበዝሕ ገይረ፡ኣቲ ተኽሊ ወይኒ ሲብማ፡+ ንዓኺ ኽበኽየልኪ እየ። እቲ ዚጭብጭብ ጨናፍርኪ፡ ባሕሪ ሰጊሩ። ናብ ባሕሪ፡ ናብ ያዕዜር በጺሑ። ኣብ ፍረ ሓጋይክን ኣብ ምህርቲ ወይንኽን፡እቲ መጥፍኢ ወሪዱ።+ 33 ታሕጓስን ደስታን ካብ ግራት ፍረታትንካብ ምድሪ ሞኣብን ጠፊኡ።+ ወይኒ ኻብ መጽመቚኡ ኸም ዘይውሕዝ ገይረዮ። እልል እናበለ ዚረግጽ ድማ ኣይኪህሉን እዩ። እቲ ደሃይሲ እተፈልየ ደሃይ ኪኸውን እዩ።’”+ 34 “‘ካብ ሔስቦን+ ክሳብ ኤልዓለ+ ኣውያት ኣሎ። ክሳብ ያሃጽ፡+ ካብ ጾዓር ክሳብ ሖሮናይምን+ ክሳብ ኤግላት-ሸሊሽያንድምጾም ዓው የብሉ ኣለዉ። ማያት ኒምሪም እኳ ኺባድም እዩ።+ 35 ናብ በሪኽ መስዋእቲ ዜምጽእንንኣምላኹ ዚስውእንካብ ሞኣብ ከጥፍእ እየ’ ይብል የሆዋ። 36 ‘ስለዚ፡ ልበይ ንሞኣብ ከም ሻምብቆ* ኪቝዝመሉ፡*+ልበይ ንሰብ ቂር-ሔሬስ ከም ሻምብቆ* ኪቝዝመሎም* እዩ። እቲ ዘጥረዮ ሃብትስ ኪጠፍእ እዩ። 37 ኵሉ ርእስስ መላጥ፡+ኵሉ ጭሕሚ እውን ቍሩጽ እዩ። ኣብ ኵሉ ኢድ ብጣሕ፡+ኣብ ሓቛቝ ከኣ ማቕ ኣሎ!’”+ 38 “‘ንሞኣብ ከም ድርቡይ ኣቕሓሰይረያ እየ እሞ፡ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብንኣብ ኵሉ ኣደባባያታንዋይዋይታ ጥራይ እዩ ዘሎ’ ይብል የሆዋ። 39 ‘ኣየ ኸመይ ኰን እያ እተሸበረት! ዋይዋይ በሉ! ሞኣብሲ ኸመይ ኰን እዩ ብሕፍረት ዝባኑ ዝመለሰ! ሞኣብ መላገጺ ዀይኑ፡ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ዅሎም መሸበሪ ዀይኑ።’” 40 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ከምቲ ንስሪ ዚንቈት፡+ንሱ ኣኽናፉ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ኪዝርግሕ እዩ።+ 41 እተን ከተማታት ኪማረኻ፡ዕርድታታ ድማ ኪትሓዛ እየን። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ልቢ ጀጋኑ ሞኣብ፡ከም ልቢ ሓንቲ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።’” 42 “‘ሞኣብ ንየሆዋ ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡+ህዝቢ ኻብ ምዃን ኪጠፍእ እዩ።+ 43 ኣታ ነባሪ ሞኣብ፡ሽበራን ጕድጓድን መጻወድያን ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ’ ይብል የሆዋ። 44 ‘ካብ ሽበራ ዚሃድም፡ ናብ ጕድጓድ ኪወድቕ፡ካብ ጕድጓድ ዚወጽእ ድማ፡ ብመጻወድያ ኺትሓዝ እዩ።’ ‘ኣነስ ኣብ ሞኣብ ዓመት መቕጻዕቶም ከምጽእ እየ’ ይብል የሆዋ። 45 ‘እቶም ዚሃድሙ፡ ኣብ ጽላሎት ሔስቦን፡ ብዘይ ሓይሊ ደው ኢሎም ኣለዉ። ካብ ሔስቦንሲ ሓዊ፡ካብ ሲሆን ከኣ ሃልሃልታ ኺወጽእ እዩ።+ ንግምባር ሞኣብ፡ንቐረንቀራ ደቂ ህውከት ኪበልዕ እዩ።’+ 46 ‘ኣታ ሞኣብ፡ ወይለኻ! ህዝቢ ከሞሽ+ ጠፊኡ እዩ። ኣወዳትካስ ተማሪኾም ተወሲዶም እዮም፣ኣዋልድካ እውን ናብ ምርኮ ኸይደን እየን።+ 47 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና፡ ንምሩኻት ሞኣብ ክእክቦም እየ’ ይብል የሆዋ። ‘ፍርዲ ሞኣብ ክሳብ ኣብዚ እዩ።’”+ 45 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኤርምያስ እናተዛረበ ንባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ኣብ መጽሓፍ ኬጽሕፎ ኸሎ፡ ነብዪ ኤርምያስ+ ንዕኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦ 2 “ኣታ ባሩኽ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል፦ 3 ‘ንስኻስ፡ “የሆዋ ኣብ ርእሲ ስቓየይ ጓሂ ወሲኹለይ እዩ እሞ፡ ወይለይ! ብገዓረይ ደኺመ፡ ዕረፍቲ እውን ስኢነ” ትብል ኣለኻ።’ 4 “ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ፡ ንዝሃነጽክዎ አፍርስ፡ ንዝተኸልክዎ እምሑ ኣለኹ።+ 5 ንስኻ ግና ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራት ትደሊ* ኣለኻ። ኣይትድለዮ።”’ “‘እንሆ፡ ኣብ ኵሉ ስጋስ* መዓት ከምጽእ እየ፣+ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ፡ ንህይወትካ ምርኮኻ ኽትከውን ክህበካ እየ’* ይብል የሆዋ።”+ 12 ኦ የሆዋ፡+ ናባኻ ምስ ጠራዕኩ፡ብዛዕባ ነገር ፍትሒ ምስ ተዛረብኩኻ፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ። ስለምንታይ እዩ ግና መገዲ እኩያት ዚሰልጥ፧+ ስለምንታይከ እዮም ጠለምቲ ዘይጭነቑ፧ 2 ንስኻ ተኺልካዮም፡ ሱር ድማ ሰዲዶም። ዓብዮም፡ ፍረ እውን ፈርዮም። ንስኻ ኣብ ከናፍሮም ኢኻ፣ ካብ ውሽጣዊ ሓሳባቶም* ግና ርሑቕ ኢኻ።+ 3 ኦ የሆዋ፡+ ንስኻ ግና ኣጸቢቕካ ትፈልጠንን ትርእየንን ኢኻ፣ንልበይ መርሚርካዮ፡ ምሳኻ ሓድነት ዘለዎ ዀይኑ ድማ ረኺብካዮ።+ ከም በጊዕ ማሕረዲ ነጽሎም፣ንመዓልቲ ቕትለት ከኣ ፍለዮም። 4 እታ ምድርስ ክሳዕ መዓስ ክትጽምሉ እያ፧ እቲ ኣትክልቲ ዅሉ መሮርከ ኽሳዕ መዓስ ኪነቅጽ እዩ፧+ ብሰሪ እከይ እቶም ዚቕመጥዋ፡እንስሳታትን ኣዕዋፍን ተዀስቲሮም። ንሳቶምሲ፡ “እንታይ ከም እንኸውን ኣይርእን እዩ” ኢሎም ኣለዉ። 5 ምስ ኣጋር ጐዪኻ ኻብ ደኸምካስ፡ምስ ኣፍራስ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኽትቀዳደም ኢኻ፧+ ኣብ ምድሪ ሰላም እኳ ኻብ ተኣማመንካ፡ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻ ደኣ ኸመይ ክትከውን ኢኻ፧ 6 ከመይሲ፡ ኣሕዋትካ፡ ቤተ ሰብ ኣቦኻ እኳጠሊሞምኻ ኣለዉ።+ ኣንጻርካ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ኣለዉ። ጽቡቕ እኳ እንተ ተዛረቡኻ፡ኣይትእመኖም። 7 “ቤተይ ሓዲገ፡+ ርስተይ ጠንጢነ ኣለኹ።+ ነታ ኣዝየ ዘፍቅራ* እውን ኣብ ኢድ ጸላእታ ሂበያ ኣለኹ።+ 8 ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀይናትኒ ኣላ። ንሳስ ጓዚማትለይ። ስለዚ፡ ጸሊአያ። 9 ርስተይ ብዙሕ ዝሕብሩ* ኣሞራ እያ፣ካልኦት ኣሞራታት ከቢቦም የጥቅዕዋ።+ ኣቱም ኣራዊት መሮር ንዑ ተኣከቡ፣ክትበልዑ ንዑ።+ 10 ብዙሓት ጓሶት ንኣታኽልቲ ወይነይ ኣበላሽዮምዋ፣+ነታ ግደይ ዝዀነት ምድሪ ረጊጾምዋ፣+ነታ ተባሃጊት ግደይ ዝዀነት ምድሪ ናብ ዝባደመት በረኻ ቐዪሮምዋ። 11 ባድም ኰይና ኣላ። ጸምልያ* ኣላ፣ኣብ ቅድመይ ባዲማ ኣላ።+ ብዘላ እታ ምድሪ ባዲማ ኣላ፣ነዚ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ ሰብ ግና የልቦን።+ 12 ሰይፊ የሆዋ ኻብ ሓደ ወሰን እታ ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ይውሕጥ ኣሎ እሞ፡ኣብ ኵሉ መገድታት በረኻ፡* መጥፋእቲ መጺኦም ኣለዉ።+ ንሓደ እኳ* ሰላም የልቦን። 13 ስርናይ ዘሪኦም፣ ግናኸ፡ እሾዅ ዓጺዶም።+ ደኺሞም፣ ግናኸ፡ ጥቕሚ ኣይረኸቡን። ብሰሪ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ፡ብፍርያቶም ኪሓፍሩ እዮም።” 14 የሆዋ ኣንጻር ኵሎም እቶም ነታ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስተኽዎ ርስቲ ዚትንክዩ እኩያት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል፦+ “እንሆ፡ ካብ ምድሮም ክምሕዎም እየ፣+ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ መንጎኦም ክምሕዋ እየ። 15 ምስ መሓኽዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክምሕሮም፡ ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ነናብ ርስቱን ነናብ ምድሩን ክመልሶም እየ።” 16 “መገድታት ህዝበይ እንተ ተማሂሮም፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሃርዎም ድማ፡ ‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢሎም ብስመይ ምምሓል እንተ ተማሂሮም፡ ኣብ መንጎ ህዝበይ ኪህነጹ እዮም። 17 ምእዛዝ እንተ ኣብዮም ግና፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምሕዎ፡ እወ፡ ክምሕዎን ከጥፍኦን እየ” ይብል የሆዋ።+ 1 ቃላት ኤርምያስ* ወዲ ሒልቅያ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓናቶት+ ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እዚ እዩ። 2 ብዘመን ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን፡+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል 13 ዓመት ንግስናኡ፡ ቃል የሆዋ መጾ። 3 ብዘመን ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ መወዳእታ መበል 11 ዓመት ጼዴቅያስ+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እቲ የሩሳሌም ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናብ ምርኮ ዝኸደትሉ ግዜ እውን መጾ።+ 4 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 5 “ኣብ ከርሲ ኸይደኰንኩኻ ፈሊጠካ፣*+ከይተወለድካ* ድማ ቀዲሰካ።*+ ንኣህዛብ ከኣ ነብዪ ገይረካ።” 6 ኣነ ግና፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ኣነ ቘልዓ እየ እሞ፡+ ከመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ”+ በልኩ። 7 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “‘ኣነ ቘልዓ እየ’ ኣይትበል። ናብ ኵሎም እቶም ዝልእከካ ኺድ፣ኵሉ እቲ ዝእዝዘካ እውን ንገሮም።+ 8 ብትርኢቶም ኣይትፍራህ፣+‘ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ’+ ይብል የሆዋ።” 9 ሽዑ፡ የሆዋ ኢዱ ዘርጊሑ ኣፈይ ተንከየ።+ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ ኣለኹ።+ 10 ርአ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብን ኣብ ልዕሊ መንግስትታትን ክትከውን፡ ክትምሑን ከተፍርስን፡ ከተጥፍእን ከተዕኑን፡ ክትሃንጽን ክትተክልን መዚዘካ ኣለኹ።”+ 11 ድሕርዚ፡ “ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ። ኣነ ድማ፡ “ጨንፈር ኦም ለውዚ* እርኢ ኣለኹ” በልኩ። 12 የሆዋ ኸኣ፡ “ቃለይ ንምፍጻም፡ ኣጸቢቐ ንቑሕ እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ” በለኒ። 13 “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ካልኣይ ሳዕ መጸኒ። ኣነ ድማ፡ “ዚፈልሕ* ቍራዕ እርኢ ኣለኹ፣ ኣፉ ኸኣ ካብ ሰሜን ንንየው ኣቢሉ ዝቐነነ እዩ” በልኩ። 14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “መዓት ካብ ሰሜንናብ ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ኺፍኖ እዩ።+ 15 ከመይሲ፡ ‘ንዅሎም ዓሌታት መንግስትታት ሰሜን እጽውዖም ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡+‘ንሳቶም ከኣ ኪመጹ፣ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገታት የሩሳሌም፡+ኣብ ዙርያ እቲ መካበብያኣንኣብ ኵሉ ኸተማታት ይሁዳን ዝፋኑ ኬቕውም እዩ።+ 16 ንዓይ ስለ ዝሓደጉኒ፡+ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዝዓጠኑ፡+ንግብርታት ኣእዳዎም እውን ስለ ዝሰገዱ፡+ብሰሪ ዅሉ እከዮም፡ ኣንጻሮም ፍርድታተይ ክነግር እየ።’ 17 ግናኸ፡ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣ተንስእ እሞ ዅሉ እቲ ዝእዝዘካ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ከየሸብረካስ፡ብኣታቶም ኣይትሸበር።+ 18 ሎምስ ኣንጻር ኵላ እታ ምድሪ፡ኣንጻር ነገስታት ይሁዳን መሳፍንታን፡ኣንጻር ካህናታን ህዝቢ እታ ምድርን፡+እተዓርደት ከተማን ዓንዲ ሓጺንን መካበብያ ነሓስን ገይረካ እየ።+ 19 ንሳቶም ብርግጽ ኪዋግኡኻ እዮም፣ግናኸ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፣‘ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ’+ ይብል የሆዋ።” 49 ብዛዕባ ዓሞናውያን፡+ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እስራኤልዶ ደቂ የብሉን እዩ፧ ወራሲዶኸ የብሉን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ እዩ ማልካም+ ንጋድ+ እተረስተያ፧ ስለምንታይከ እዩ ህዝቡ ኣብ ከተማታት እስራኤል ዚነብር ዘሎ፧” 2 “‘ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ራባ+ ናይ ዓሞናውያን+ ደሃይ መጠንቀቕታ ውግእ* ዘስምዓለንመዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። ‘ንሳ ዝባደመት ኵምራ ኽትከውን እያ፣ዓድታታ ኸኣ ብሓዊ ኺባርዓ እየን።’ ‘እስራኤል ድማ ነቶም ኣልቂቖምዎ ዝነበሩ ኺወርሶም እዩ’+ ይብል የሆዋ። 3 ‘ኣቲ ሔስቦን፡ ዓይ ጠፊኣ እያ እሞ፡ ዋይዋይ በሊ! ኣትን ዓድታት ራባ፡ ብኸያ። ማቕ ተኸደና። ማልካም ናብ ምርኮ ኪኸይድ፡ምስኡ እውን ካህናቱን መሳፍንቱን ኪኸዱ እዮም እሞ፡+ኣብ ደምበታት እናዞርክን ዋይዋይ በላ። 4 ኣቲ ብመዛግብታ እትእመንን“መን ኣንጻረይ ኪመጽእ እዩ፧” እትብልን ጠላም ጓል፡ስለምንታይ ኢኺ ብስንጭሮታትን*ብዚውሕዝ ጐልጐልክን እትምክሒ፧’” 5 “‘እንሆ፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኺ ዘለዉዜርዕድ ነገር ከምጽኣልኪ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። ‘ናብ ኵሉ ኣንፈት ክትብተኒ ኢኺ፣ነቶም ዚሃድሙ እውን ሓደ እኳ ኣይኪእክቦምን እዩ።’” 6 “‘ድሕርዚ ግና፡ ንምሩኻት ዓሞናውያን ክእክቦም እየ’ ይብል የሆዋ።” 7 ብዛዕባ ኤዶም፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ጥበብዶ ኣብ ቴማን+ ድሕሪ ደጊም ኣይኪህሉን እዩ፧ ጽቡቕ ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ጠፊኡ እዩ፧ ጥበቦምዶ መሽሚሹ እዩ፧ 8 ናብ ኤሳው ቈላሕታይ ዝገብረላ ግዜ ምስ መጸት፡ኣብኡ ጥፍኣት ከምጽእ እየ እሞ፡ኣቱም ነበርቲ ዴዳን፡+ ህደሙ፡ ተመለሱ! ኪዱ፡ ኣብ መዓሙቝ ተቐመጡ! 9 ኣረይቲ ወይኒ እንተ መጺኦምኻ፡ንቐሪም ዚኸውንዶ ኣይሓድጉን እዮም፧ ሰረቕቲ ብለይቲ እንተ መጺኦም፡ክንዲ እቲ ዝደለይዎ ጥራይ እዮም ዜዕንዉ።+ 10 ኣነ ግና ንኤሳው ጥራዩ ኽገብሮ እየ። ምእንቲ ኸይሕባእሲ፡ንመሕብኢኡ ክቐልዖ እየ። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣+ንሱ እውን ድሕሪ ደጊም ኣይኪህሉን እዩ።+ 11 ንዘኽታማትካ ሕደጎም፣ኣነ ኸኣ ብህይወት ከንብሮም እየ፣መበለታትካ እውን ብኣይ ኪእመና እየን።” 12 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ እቶም ነታ ጽዋእ ኪሰትይዋ ዘይተፈርዶም ካብ ሰተይዋ፡ ንስኻዶ ኸይተቐጻዕካ ኽትተርፍ ኢኻ፧ ክትሰትያ ኢኻ እሞ፡ ከይተቐጻዕካስ ኣይክትተርፍን ኢኻ።”+ 13 “ቦጽራ መሰክሕን+ መጻረፍን ባድምን መራገምን ከም እትኸውን፡ ብርእሰይ ምሒለ ኣለኹ” ይብል የሆዋ፣ “ኵለን ከተማታታ ድማ ንሓዋሩ ዑናታት ኪዀና እየን።”+ 14 ካብ የሆዋ ወረ ሰሚዐ፣“ተኣከቡ፡ ኣንጻራ ንዑ፣ንውግእ ተዳለዉ”+ዚብል ልኡኽ ናብ ኣህዛብ ተላኢኹ ኣሎ። 15 “እንሆ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንእሽቶ፡ኣብ መንጎ ሰብ ንዑቕ ገይረካ ኣለኹ።+ 16 ኣታ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ እትነብር፡ዝበረኸ ዅርባ ድማ ዝሓዝካ፡እቲ ዘስዓብካዮ ምንቅጥቃጥ፡እቲ ድፍረት ልብኻ እዩ ኣታሊሉካ። ከም ንስሪ እኳ ኣብ ላዕሊ ሰፈርካ እንተ ሰራሕካ፡ካብኡ ኸውርደካ እየ” ይብል የሆዋ። 17 “ኤዶም ከኣ መሰክሒ ኽትከውን እያ።+ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ሰኪሑ ኺጥምታን ብሰሪ ዅሉ መዓታ ኼፋጽን እዩ። 18 ከምቲ ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን ምስ ተገልበጣ ዝዀነ፡+ ኣብኣ እውን ሓደ ሰብ እኳ ኣይኪቕመጥን፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣይኪሰፍርን እዩ”+ ይብል የሆዋ። 19 “እንሆ፡ ሓደ ኣንጻር እቲ ውሑስ መጓሰዪ ኸምቲ ኻብቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻታት ዚወጽእ ኣንበሳ+ ኺድይብ እዩ፣ ብቕጽበት ግና ካብኣ ኸህድሞ እየ። ኣብ ልዕሊኣ ድማ ሕሩይ ክሸይም እየ። ከማይ ዝበለስ መን እዩ፧ መን እዩ ዚብድሃኒ፧ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳኸ መን እዩ፧+ 20 ስለዚ፡ የሆዋ ኣንጻር ኤዶም ዝገበሮ ውሳነን* ኣንጻር ነበርቲ ቴማን ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ፦+ ብርግጽ ካብተን መጓሰ እተን ንኣሽቱ ኺጕተታ እየን። ንሱ ድማ ብሰንኮም መንበሪአን ኬባድም እዩ።+ 21 ብደሃይ ምውዳቖም፡ ምድሪ ኣንቀጥቂጣ። ኣውያት ኣሎ! እቲ ደሃይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ይስማዕ ኣሎ።+ 22 እንሆ፡ ከም ንስሪ ኺድይብን ኪንቈትን፡+ኣብ ልዕሊ ቦጽራ ኣኽናፉ ኺዝርግሕን እዩ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምከም ልቢ ሓንቲ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።” 23 ብዛዕባ ደማስቆ፦+ “ሓማትን+ ኣርጳድን ክፉእ ወረ ሰሚዐን እየን እሞ፡ሓፊረን ኣለዋ። ብፍርሂ መኺኸን ኣለዋ። ኣብ ባሕሪ ዘይሃድእ ጭንቀት ኣሎ። 24 ደማስቆ ትብዓታ ጠፊኡ ኣሎ። ክትሃድም ኢላ ግልብጥ ኢላ፣ ግናኸ፡ ስምባድ ሒዝዋ። ከም እትወልድ ሰበይቲ፡ጭንቅን ቅልውላውን ሒዝዋ ኣሎ። 25 እታ ኸተማ ውዳሰ፡ እታ ኸተማ ፍስሃ፡ከመይ ኢላ እያ ዘይተሓድገት፧ 26 ኣጕባዛስ ኣብ ኣደባባያታ ኺወድቁ፡ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጠፍኡ እዮም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 27 “ንመካበብያ ደማስቆ ብሓዊ ኸባርዕ እየ፣ንሱ እውን ንእተዓርደ ግምብታት ቤን-ሃዳድ ኪበልዖ እዩ።”+ 28 ብዛዕባ እተን ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ዝወቕዐን ቄዳርን+ መንግስትታት ሓጾርን፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ተንስኡ፡ ናብ ቄዳር ደይቡ፣ነቶም ደቂ ምብራቕ ኣጥፍእዎም። 29 ድንኳናቶምን መጓሰታቶምንዓለባታት ድንኳናቶምን ኵሉ ኣቕሑኦምን ኪውሰድ እዩ። ኣግማሎም ኪዝመታ እየን፣‘ሽበራ ኣብ ዙርያ ኣሎ!’ ኢሎም ኪጭድሩሎም እዮም።” 30 “ኣቱም ነበርቲ ሓጾር፡ ህደሙ፡ ኣርሒቕኩም ኪዱ! ኪዱ፡ ኣብ መዓሙቝ ተቐመጡ!” ይብል የሆዋ። “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንሲ ኣንጻርኩም ስልቲ ምሂዙ፡ኣንጻርኩም እውን ሓሳብ ሓሲቡ ኣሎ።” 31 “ተንስኡ፡ ኣንጻር እቲ ብሰላም ዘሎ፡ኣንጻር እቲ ብደሓን ዚቕመጥ ህዝቢ ደይቡ!” ይብል የሆዋ። “መዓጹ ወይ ተገዳማት የብሉን፣ ተፈልዮም ይነብሩ ኣለዉ። 32 ኣግማሎም ዘመተ፡እተን ብዙሓት ማሎም ከኣ ምርኮ ኪዀና እየን። ነቶም ጸጕሪ ጕንዲ እዝኖም ዚቘርጹ፡+ናብ ኵሉ ንፋስ* ፋሕ ከብሎም እየ፣ጥፍኣቶም ድማ ካብ ኵሉ ኣንፈት ከምጽእ እየ” ይብል የሆዋ። 33 “ሓጾር ሰፈር ወኻሩ* ኽትከውን፡ንሓዋሩ ኸኣ ክትባድም እያ። ኣብኣ ሓደ ሰብ እኳ ኣይኪቕመጥን፡ወዲ ሰብ እውን ኣብኣ ኣይኪሰፍርን እዩ።” 34 እቲ ኣብ መጀመርታ ንግስና ጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ብዛዕባ ዔላም+ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦ 35 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ቀስቲ ዔላም፡+ ምንጪ* ሓይሎም እሰብር ኣለኹ። 36 ናብ ዔላም ካብ ኣርባዕተ ዅርናዕ ሰማያት፡ ኣርባዕተ ንፋሳት ከምጽኣላ እየ፣ ናብ ኵሉ እዚ ንፋሳት ድማ ፋሕ ከብሎም እየ። እቶም ካብ ዔላም እተበተኑ ዘይከድዎ ህዝቢ ኣይኪህሉን እዩ።’” 37 “ንዔላማውያን ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ክሕምሽሾም እየ፣ ኣባታቶም መዓትን ዚነድድ ቍጥዓይን ከምጽእ እየ” ይብል የሆዋ። “ክሳዕ ዘጽንቶም ከኣ ሰይፊ ደድሕሪኦም ክሰድድ እየ።” 38 “ዝፋነይ ድማ ኣብ ዔላም+ ክገብር፡ ካብኡ እውን ንጉስን መሳፍንትን ከጥፍእ እየ” ይብል የሆዋ። 39 “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና፡ ንምሩኻት ዔላም ክእክቦም እየ” ይብል የሆዋ። 36 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ከምዚ ዚብል ቃል ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 2 “ሓንቲ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ውሰድ እሞ፡ እቲ ኣንጻር እስራኤልን ይሁዳን+ ኵሎም ኣህዛብን፡+ ካብታ ብዘመን ዮስያስ እተዛረብኩኻ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እተዛረብኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኣ ጽሓፎ።+ 3 ምናልባት ቤት ይሁዳ ነቲ ኣባታቶም ከምጽኦ ሓሲበዮ ዘለኹ ዅሉ መዓት ምስ ሰምዑ፡ ካብ እኩይ መገድታቶም ይምለሱ ይዀኑ፣ በዚ ኸምዚ እውን ኣነ ስሕተቶምን ሓጢኣቶምን ይቕረ እብል እኸውን።”+ 4 ሽዑ፡ ኤርምያስ ንባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ጸውዖ፣ ኤርምያስ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት እናተዛረበ ኸኣ፡ ባሩኽ ንዕኡ ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ጸሓፎ።+ 5 ኤርምያስ ድማ ንባሩኽ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣነ ተኣሲረ እየ ዘለኹ፣ ናብ ቤት የሆዋ ኽኣቱ ኸኣ ኣይክእልን እየ። 6 ስለዚ፡ ንስኻ ኺድ እሞ፡ ነቲ እናተዛረብኩኻ ዝጸሓፍካዮ ቓል የሆዋ ኻብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዓው ኢልካ ኣንብቦ። በታ መዓልቲ ጾም፡ ኣብ ቤት የሆዋ ዘለዉ ህዝቢ እናሰምዑ ኣንብቦ፣ በዚ ኸምዚ፡ ነቶም ካብ ከተማታቶም ዝመጹ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸተንብበሎም ኢኻ። 7 እቲ የሆዋ ኣንጻር እዚ ህዝቢ እዚ እተዛረቦ ቝጥዓን ነድርን ዓብዪ እዩ እሞ፡ ምናልባት እቲ ናይ ሞገስ ልማኖኦም ናብ የሆዋ ይበጽሕ ይኸውን፣ ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፎም ካብ እኩይ መገድታቶም ይምለሱ ይዀኑ።” 8 ባሩኽ ወዲ ኔርያ ኸኣ ከምቲ ነብዪ ኤርምያስ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፣ ካብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ድማ ነቲ ቓላት የሆዋ ኣብ ቤት የሆዋ ዓው ኢሉ ኣንበቦ።+ 9 ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ኵሎም ህዝቢ የሩሳሌምን ኵሎም እቶም ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ህዝብን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጾም ኣወጁ።+ 10 ባሩኽ ከኣ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ክፍሊ ቤት* ገማርያ+ ወዲ ሻፋን+ እቲ ቐዳሒ፡* ኣብቲ ላዕለዋይ ኣጸድ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ሓድሽ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ፡+ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዐ፡ ካብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ቃላት ኤርምያስ ዓው ኢሉ ኣንበበ። 11 ሚካያ ወዲ ገማርያ ወዲ ሻፋን፡ ካብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኵሉ እቲ ቓላት የሆዋ ሰምዐ፣ 12 ናብ ቤት* ንጉስ፡ ናብ ክፍሊ ጸሓፊ ኸኣ ወረደ። ኵሎም እቶም መሳፍንቲ፡* ኤሊሻማዕ+ እቲ ጸሓፍን ደላያ ወዲ ሸማዕያን ኤልናታን+ ወዲ ዓኽቦርን+ ገማርያ ወዲ ሻፋንን ጼዴቅያስ ወዲ ሓናንያን ኵሎም ካልኦት መሳፍንትን ድማ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ። 13 ሚካያ ኸኣ ነቲ ባሩኽ እቶም ህዝቢ እናሰምዑ ኻብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኬንብቦ ዝሰምዖ ዅሉ ቓላት ንዓታቶም ነገሮም። 14 ኵሎም እቶም መሳፍንቲ ድማ ንይሁዲ ወዲ ነታንያ ወዲ ሸለምያ ወዲ ኩሺ ናብ ባሩኽ፡ “ነታ ህዝቢ እናሰምዐ ዘንበብካያ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሒዝካያ ምጻእ” ኢሎም ለኣኽዎ። ባሩኽ ወዲ ኔርያ ኸኣ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናባታቶም መጸ። 15 ንሳቶም ከኣ፡ “ተቐመጥ እሞ፡ በጃኻ ዓው ኢልካ ኣንብበልና” በልዎ። ባሩኽ ድማ ኣንበበሎም። 16 ኵሉ እቲ ቓላት ምስ ሰምዑ፡ ርዒዶም ንሓድሕዶም ተጣማመቱ፣ ንባሩኽ ከኣ፡ “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ብርግጽ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ” በልዎ። 17 ንባሩኽ ድማ፡ “ንዅሉ እዚ ቓላት እዚ ኸመይ ጌርካ ኸም ዝጸሓፍካዮ በጃኻ ንገረና። እናተዛረበካ ዲኻ፧” በልዎ። 18 ባሩኽ ከኣ፡ “ኵሉ እቲ ቓላት እናተዛረበኒ፡ ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ብቐለም ጽሒፈዮ” ኢሉ መለሰሎም። 19 እቶም መሳፍንቲ ድማ ንባሩኽ፡ “ኪድ እሞ ንስኻን ኤርምያስን ተሓብኡ፣ ኣበይ ከም ዘለኹም ከኣ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ።+ 20 ሽዑ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ኣንቢሮም፡ ናብ ንጉስ፡ ናብቲ ኣጸድ ኣተዉ፣ ንንጉስ ድማ ኵሉ እቲ ዝሰምዕዎ ነገርዎ። 21 ንጉስ ከኣ ንይሁዲ፡+ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኬምጽኣ ለኣኾ፣ ንሱ ድማ ካብ ክፍሊ ቤት ኤሊሻማዕ እቲ ጸሓፊ ኣምጽኣ። ይሁዲ ኸኣ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ኣብ ጥቓ ንጉስ ደው ዝበሉ መሳፍንትን እናሰምዑ ኼንብባ ጀመረ። 22 ታሽዐይቲ ወርሒ* እያ ዝነበረት እሞ፡ ንጉስ ኣብ ቤት ክረምቲ ተቐሚጡ ነበረ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሓዊ ኣብ ምድጃ ይነድድ ነበረ። 23 ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ፡ ንጉስ ነቲ ኽፋል እቲ ብኻራ ጸሓፊ ቘሪጹ ናብቲ ኣብቲ ምድጃ ዚነድድ ዝነበረ ሓዊ ይድርብዮ ነበረ፣ ብዘላ እታ ጥቕልልቲ ኣብቲ ኣብ ምድጃ ዚነድድ ሓዊ ኽሳዕ እትኣቱ ኸምኡ ገበረ። 24 ኣይረዓዱን ድማ፣ ንጉስን እቶም ንዅለን እዘን ቃላት እዚአን ዝሰምዑ ዅሎም ገላዉኡን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን። 25 ኤልናታንን+ ደላያን+ ገማርያን+ ንንጉስ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ከየንድዳ እኳ እንተ ለመንዎ፡ ኣይሰምዖምን። 26 ንጉስ ከኣ ንየራሕምኤል ወዲ ንጉስን ንሰራያ ወዲ ዓዝሪኤልን ንሸለምያ ወዲ ዓብድኤልን፡ ንባሩኽ እቲ ጸሓፍን ንነብዪ ኤርምያስን ኪሕዝዎም ኣዘዞም፣ የሆዋ ግና ሓብኦም።+ 27 ንጉስ ነታ ኤርምያስ እናተዛረበ ባሩኽ ዝጸሓፎ ቓላት ዝሓዘት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ምስ ኣንደዳ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ ናብ ኤርምያስ መጸ፦+ 28 “ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሲድካ፡ ኵለን እተን ኣብታ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበራ ቐዳሞት ቃላት ኣብኡ ጽሓፈን።+ 29 ብዛዕባ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ከምዚ በል፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘“ንጉስ ባቢሎን ብርግጽ መጺኡ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኼጥፍኣ፡ ሰብን እንስሳን ዘይብላ እውን ኪገብራ እዩ” ኢልካ ዝጸሓፍካ ስለምንታይ ኢኻ፧’ ኢልካ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣንዲድካያ ኢኻ።+ 30 ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል፦ ‘ካብኡ ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ ሓደ እኳ ኣይኪህሉን እዩ፣+ ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ዋዒ፡ ለይቲ እውን ኣብ ኣስሓይታ ኺሕደግ እዩ።+ 31 ንዕኡን ንዘርኡን ንገላዉኡን ብስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣ ኣባታቶምን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌምን ኣብ ሰብ ይሁዳን ከኣ ኵሉ እቲ እተዛረብኩሎም እሞ ዘይሰምዕዎ+ መዓት ከምጽኣሎም እየ።’”’”+ 32 ሽዑ፡ ኤርምያስ ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሲዱ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ፡ እቲ ጸሓፊ፡+ ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ፡ ኤርምያስ እናተዛረቦ ንዅለን እተን ኣብታ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ብሓዊ ዘንደዳ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበራ ቓላት ጸሓፈን።+ ብዙሓት ከምኡ ዝበላ ቓላት እውን ተወሰኻ። 29 ነብዪ ኤርምያስ ካብ የሩሳሌም ናብቶም ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት ህዝቢ ዘለዉ ዝተረፉ ዓበይትን ናብ ካህናትን ናብ ነብያትን ናብ ኵሎም እቶም ነቡካድነጻር ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ዝወሰዶም ህዝብን ዝለኣኻ ደብዳበ ዝሓዘቶ ቓላት እዚ እዩ፣ 2 እዚ ኸኣ ንጉስ የኮንያን+ ኣደ ንጉስን*+ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን መሳፍንቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን* ካብ የሩሳሌም ምስ ወጹ ዝዀነ እዩ።+ 3 ነታ ደብዳበ ድማ ብኢድ እቶም ጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ናብ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ ባቢሎን ዝለኣኾም ኤልዓሳ ወዲ ሻፋንን+ ገማርያ ወዲ ሒልቅያን ለኣኻ። ከምዚ ኸኣ ትብል ነበረት፦ 4 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ከም ዚኸዱ ዝገበርክዎም ኵሎም ምሩኻት ከምዚ ይብል፦ 5 ‘ኣባይቲ ህነጹ እሞ ንበሩለን። ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ። 6 ኣንስቲ ኣእትዉ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን ውለዱ፣ ንሳቶም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ምእንቲ ኺወልዱስ፡ ንኣወዳትኩም ኣንስቲ ኣምጽኡ፣ ንኣዋልድኩም ድማ ኣመርዕውወን። ኣብኡ ብዝሑ እምበር፡ ኣይትውሓዱ። 7 ነታ ኣነ ናብኣ ተማሪኽኩም ከም እትውሰዱ ዝገበርኩኹም ከተማ ኸኣ ሰላማ ድለዩ፣ ብሰላማ ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ምእንታኣ ናብ የሆዋ ጸልዩ።+ 8 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “እቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ነብያትኩምን ጠንቈልትኹምን ኣየታልሉኹም፣+ ነቲ ዚሓልምዎ ሕልሚ ድማ ኣይትስምዕዎ። 9 ከመይሲ፡ ‘ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን’+ ይብል የሆዋ።”’” 10 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ባቢሎን 70 ዓመት ምስ መልአ፡ ቈላሕታይ ክገብረልኩም፡+ ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምምላስ ድማ፡ ነቲ ዝኣቶኽዎ ቓል ክፍጽሞ እየ።’+ 11 “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡+ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።+ 12 ክትጽውዑንን ናባይ መጺእኩም ክትጽልዩን ኢኹም፣ ኣነ እውን ክሰምዓኩም እየ።’+ 13 “‘ብዅሉ ልብኹም ክትደልዩኒ ኢኹም እሞ፡+ ክትደልዩንን ክትረኽቡንን ኢኹም።+ 14 ኣነ ድማ ክርከበልኩም እየ’+ ይብል የሆዋ። ‘ንምሩኻትኩም ክእክቦም፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ካብ ኵሉ እቲ ዝበተንኩኹም ቦታታትን ከኣ ክእክበኩም እየ’+ ይብል የሆዋ። ‘ናብታ ኻብኣ ናብ ምርኮ ዝሰደድኩኹም ቦታ ድማ ክመልሰኩም እየ።’+ 15 “ንስኻትኩም ግና፡ ‘የሆዋ ኣብ ባቢሎን ነብያት ኣተንሲኡልና ኣሎ’ ትብሉ ኣለኹም። 16 “የሆዋ ነቲ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጡ ዘሎ ንጉስን+ ንዅሎም እቶም ኣብታ ኸተማ ተቐሚጦም ዘለዉ ህዝብን፡ ነቶም ምሳኻትኩም ናብ ምርኮ ዘይከዱ ኣሕዋትኩም፡ ከምዚ ይብል፦ 17 ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ሰይፍን ጥሜትን ለበዳን* እሰድደሎም ኣለኹ፣+ ከምቲ ኻብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ዝመሽመሸ* በለስ ክገብሮም እየ።”’+ 18 “‘ብሰይፍን+ ብጥሜትን ብለበዳን ክሰጕጎም እየ፣ ኣብ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንመሰክሒ ኪዀኑ፡ ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም ናባታቶም ዝብትኖም ኣህዛብ+ ከኣ ንመራገምን ንመገረምን ንመፋጸይን+ ንመጻረፍን ክገብሮም እየ፣+ 19 እዚ ድማ እተን ብገላዎይ ነብያት ገይረ ደጋጊመ*+ ዝሰደድኩሎም ቃላተይ ስለ ዘይሰምዑ እዩ’ ይብል የሆዋ። “‘ግናኸ፡ ኣይሰማዕኩምን’+ ይብል የሆዋ። 20 “ስለዚ፡ ኣቱም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት ኵላትኩም፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 21 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ብዛዕባ እቶም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩልኩም+ ዘለዉ ኣከኣብ ወዲ ቆላያን ጼዴቅያስ ወዲ ማዓስያን ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ክህቦም እየ፣ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ኪቐትሎም እዩ። 22 እቲ ንዓታቶም ዚወርዶም ከኣ፡ “የሆዋ ኸምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ጼዴቅያስን ኣከኣብን ይግበርካ!” እናተባህለ ብዅሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ይሁዳ መራገሚ ኪኸውን እዩ። 23 ከመይሲ፡ ኣብ እስራኤል ዜዋርድ ተግባር ገይሮም፡+ ምስ ኣንስቲ ብጾቶም ዘምዮም፡ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃላት ሓሶት ከኣ ብስመይ ተዛሪቦም እዮም።+ “‘“ነዚ ዝፈልጦ ኣነ እየ፡ ምስክር እውን እየ”+ ይብል የሆዋ።’” 24 “ንሸማዕያ+ ብዓል ኔሕላም ከኣ ከምዚ ኽትብሎ ኢኻ፦ 25 ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ንስኻስ ብስምካ ደብዳበታት ናብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ህዝብን ናብ ጸፎንያስ+ ወዲ ማዓስያ እቲ ኻህንን ናብ ኵሎም ካህናትን ከምዚ ኢልካ ሰዲድካ ኢኻ፦ 26 ‘ኣብ ቤት የሆዋ ሓላዊ ኽትከውን፡ ከም ነብዪ ዚኸውን ዘበለ ዕቡድ ክትቈጻጸር፡ ንዕኡ ኸኣ ኣብ ጕንድን ኣብ መስገደልን* ክትኣስሮስ፡ የሆዋ ኣብ ክንዲ ኻህን የሆያዳ ኻህን ገይሩ ሸይሙካ ኣሎ፣+ 27 ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ነቲ ኸም ነብዪ ዚዀነልካ ዘሎ+ ኤርምያስ ብዓል ዓናቶት+ ዘይገናሕካዮ፧ 28 ንሱስ፡ “ነዊሕ ግዜ ኣሎ! ኣባይቲ ህነጹ እሞ ንበሩለን። ኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ፡+—” ኢሉ ናባና ናብ ባቢሎን ልኢኹልና ኣሎ።’”’” 29 ካህን ጸፎንያስ+ ነዛ ደብዳበ እዚኣ ነብዪ ኤርምያስ እናሰምዐ ምስ ኣንበባ፡ 30 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 31 “ከምዚ ኢልካ ናብ ኵሎም እቶም ምሩኻት ልኣኽ፦ ‘የሆዋ ብዛዕባ ሸማዕያ ብዓል ኔሕላም ከምዚ ይብል፦ “ሸማዕያ ኣነ ኸይለኣኽክዎ ስለ እተነበየልኩም፡ ብሓሶት ኬእምነኩም ከኣ ስለ ዝፈተነ፡+ 32 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብ ሸማዕያ ብዓል ኔሕላምን ናብ ዘርኡን ክገብር እየ። ኣብ የሆዋ ዕልወት ኪግበር ደፋፊኡ እዩ እሞ፡ ካብኡስ ኣብ መንጎ እዚ ህዝቢ እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኪተርፍን እዩ፣ ንህዝበይ ዝገብረሉ ጽቡቕ ድማ ኣይኪርእን እዩ’ ይብል የሆዋ።”’” 28 በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ መጀመርታ ንግስና ጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ነብዪ ሓናንያ ወዲ ዓዙር ብዓል ጊብዖን+ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዚ በለኒ፦ 2 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ።+ 3 ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡* ኵሉ እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብዚ ቦታ እዚ ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽመልሶ እየ።’”+ 4 “‘ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ እሞ፡ ንየኮንያ+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳን ንዅሎም እቶም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ምሩኻት ይሁዳን+ ከኣ ክመልሶም እየ’ ይብል የሆዋ።” 5 ሽዑ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንነብዪ ሓናንያ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ደው ኢሉ ዝነበረ ህዝብን ተዛረቦ። 6 ነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ “ኣሜን!* የሆዋ ይግበሮ! ነቲ ኣቕሑ ቤት የሆዋን ንዅሎም እቶም ምሩኻትን ካብ ባቢሎን ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምምላስ፡ የሆዋ ነቲ እተነበኻዮ ቓላትካ ይፈጽሞ! 7 ግናኸ፡ በጃኻ ነዚ ኣብ ኣእዛንካን ኣብ ኣእዛን ኵሉ ህዝብን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ። 8 ጥንቲ፡ እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ዝነበሩ ነብያት ብዛዕባ ብዙሓት ሃገራትን ዓበይቲ መንግስትታትን፡ ብዛዕባ ውግእን መዓትን ለበዳን* ይንበዩ ነይሮም እዮም። 9 ሓደ ነብዪ ብዛዕባ ሰላም እንተ ተነብዩ፡ ቃል እቲ ነብዪ እቲ ድማ እንተ ተፈጺሙ፡ ሽዑ እዩ የሆዋ ነቲ ነብዪ እቲ ብሓቂ ኸም ዝለኣኾ ዚፍለጥ።” 10 ሽዑ፡ ነብዪ ሓናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ሰበሮ።+ 11 ሓናንያ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከምዚ ገይረ ንኣርዑት ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብ ክሳድ ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ክሰብሮ እየ።’”+ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ መገዱ ኸደ። 12 ነብዪ ሓናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ምስ ሰበሮ፡ እዚ መልእኽቲ የሆዋ እዚ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 13 “ኬድካ ንሓናንያ ኸምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻስ ኣርዑታት ዕንጨይቲ ሴርካ ኣለኻ፣+ ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣርዑታት ሓጺን ክትገብር ኢኻ።” 14 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኪግዝእዎስ፡ ኣብ ክሳድ ኵሎም እዞም ኣህዛብ እዚኦም ኣርዑት ሓጺን ክገብር እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ኪግዝእዎ እዮም። እንስሳታት መሮር እኳ ኽህቦ እየ።”’”+ 15 ነብዪ ኤርምያስ ድማ ንነብዪ ሓናንያ+ ኸምዚ በሎ፦ “ኣታ ሓናንያ፡ እስከ ስምዓኒ! የሆዋ ኣይለኣኸካን፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ግና ብሓሶት ከም ዚእመን ጌርካዮ ኢኻ።+ 16 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ። ኣብ የሆዋ ዕልወት ኪግበር ደፋፊእካ ኢኻ እሞ፡ በዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ።’”+ 17 ስለዚ፡ ነብዪ ሓናንያ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ሞተ። 38 ሸፋጥያ ወዲ ማታንን ገዳልያ ወዲ ጳሽሑርን ዩካል+ ወዲ ሸለምያን ጳሽሑር+ ወዲ ማልክያን ድማ፡ ነቲ ኤርምያስ ከምዚ ኢሉ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓላት ሰምዑ፦ 2 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚጸንሕ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ኪመውት እዩ።+ እቲ ንከለዳውያን ኢዱ ዚህብ* ግና፡ ብህይወት ኪቕጽልን ህይወቱ እውን ምርኮኡ ኽትኰነሉን* ብህይወት ኪነብርን እዩ።’+ 3 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግጽ ኣብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ እያ፣ ንሱ እውን ኪሕዛ እዩ።’”+ 4 እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ንንጉስ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኸምዚ ቓላት እዚ ኢሉ ብምዝራብ ንወኒ* እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን ኵሎም እዞም ህዝብን የዳኽም ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ግዳ ኣቕትሎ።+ እዚ ሰብኣይ እዝስ፡ ሰላም እዚ ህዝቢ እዚ ዘይኰነስ፡ መዓቱ እዩ ዚደሊ” በልዎ። 5 ንጉስ ጼዴቅያስ ድማ፡ “ንጉስ ንምዕጋትኩም ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ኢድኩም እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 6 ስለዚ፡ ንኤርምያስ ወሲዶም፡ ናብቲ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ዘሎ መዕቘር ማይ ማልክያ ወዲ ንጉስ ደርበይዎ።+ ብኣግማድ ገይሮም ከኣ ኣውረድዎ። ኣብቲ መዕቘር ማይ ድማ ጭቃ ጥራይ እምበር፡ ማይ ኣይነበረን፣ ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ጭቃ ተዋሕጠ። 7 እቲ ኣብ ቤት* ንጉስ ስሉብ* ዝነበረ ዔቤድ-ሜሌክ+ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ንኤርምያስ ናብቲ መዕቘር ማይ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ። ንጉስ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ነበረ።+ 8 ዔቤድ-ሜሌክ ከኣ ካብ ቤት* ንጉስ ወጺኡ ንንጉስ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 9 “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ እዞም ሰባት ንነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎስ እከይ እዩ! ኣብ መዕቘር ማይ ደርብዮምዎ ኣለዉ፣ ኣብዛ ኸተማ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ኣብኡ ብጥሜት ኪመውት እዩ።”+ 10 ንጉስ ከኣ ንዔቤድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ “ካብዚ 30 ሰብኡት ምሳኻ ውሰድ እሞ፡ ንነብዪ ኤርምያስ ከይሞተ ኻብቲ መዕቘር ማይ ኣውጽኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ። 11 ዔቤድ-ሜሌክ ድማ ነቶም ሰብኡት ምስኡ ወሲዱ ናብ ቤት* ንጉስ፡ ናብታ ትሕቲ እቲ ቤት መዝገብ ዘላ ቦታ ኸደ፣+ ካብኣ ኸኣ ዝበለየ ኣጭርቕትን ዝበለየ ዓለባታትን ወሲዶም ብኣግማድ ናብ ኤርምያስ ናብቲ መዕቘር ማይ ኣውረድዎ። 12 ሽዑ፡ ዔቤድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ ንኤርምያስ፡ “እዚ ኣጭርቕትን ዓለባታትን ኣብ መንጎ ትሽትሽካን እቲ ኣግማድን ግበሮ” በሎ። ኤርምያስ ድማ ከምኡ ገበረ፣ 13 ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ ብኣግማድ ስሒቦም ካብቲ መዕቘር ማይ ኣውጽእዎ። ኤርምያስ ድማ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ጸንሐ።+ 14 ንጉስ ጼዴቅያስ ከኣ ንነብዪ ኤርምያስ ናብታ ኣብ ቤት የሆዋ ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኺመጾ ለኣኸሉ፣ ንጉስ ድማ ንኤርምያስ፡ “ዝሓትተካ ነገር ኣሎኒ። ሓንቲ እኳ ኣይትሕብኣለይ” በሎ። 15 ኤርምያስ ከኣ ንጼዴቅያስ፡ “እንተ ነጊረካ፡ ብርግጽ ክትቀትለኒ ኢኻ። እንተ መኺረካ ድማ፡ ኣይትሰምዓንን ኢኻ” በሎ። 16 ሽዑ፡ ንጉስ ጼዴቅያስ፡ “ከምቲ ነዛ ህይወት እዚኣ ዝሃበና* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ኣይቀትለካን እየ፣ ናብዞም ንህይወትካ* ዚደልይዋ ዘለዉ ሰባት እውን ኣሕሊፈ ኣይህበካን እየ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ። 17 ኤርምያስ ከኣ ንጼዴቅያስ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንመሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኢድካ እንተ ሂብካ፡* ህይወትካ ኽትንሓፍ እያ፣* እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይክትነድድን እያ፣ ንስኻን ቤተ ሰብካን ከኣ ክትንሓፉ ኢኹም።+ 18 ንመሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ኢድካ እንተ ዘይሂብካ* ግና፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ንከለዳውያን ኣሕሊፍካ ኽትውሃብ እያ፣ ንሳቶም ድማ ብሓዊ ኼንድድዋ እዮም፣+ ንስኻ እውን ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ።’”+ 19 ሽዑ፡ ንጉስ ጼዴቅያስ ንኤርምያስ፡ “እቶም ናብ ከለዳውያን ዝኸድዑ ኣይሁድ ኣፍሪሆምኒ ኣለዉ፣ ናባታቶም ኣሕሊፎም እንተ ሂቦምንስ፡ ኪጭክኑለይ እዮም” በሎ። 20 ኤርምያስ ግና ከምዚ በሎ፦ “ንዓታቶም ኣሕሊፎም ኣይኪህቡኻን እዮም። በጃኻ ኣብዛ ዝነግረካ ዘለኹ፡ ንድምጺ የሆዋ ተኣዘዝ፣ ጽቡቕ ከኣ ኪዀነልካ፡ ብህይወት እውን ክትነብር ኢኻ።* 21 ኢድካ ምሃብ* እንተ ኣቢኻ ግና፡ የሆዋስ እዚ ገሊጹለይ ኣሎ፦ 22 እንሆ፡ ኵለን እተን ኣብ ቤት* ንጉስ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ ናብቶም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን የውጽእወን ኣለዉ፣+ ንሳተን ከኣ፡‘እቶም እተኣመንካዮም ሰባት* ኣታሊሎምኻን ኣሰኒፎምኻን።+ ንኣእጋርካ ኣብ ታኼላ ኣጥሒሎምወን። ሕጂ ኸኣ ተመሊሶም ኣድሓርሒሮም’ ይብላ ኣለዋ። 23 ኵለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ከለዳውያን ኬውጽእዎም እዮም፣ ንስኻ ድማ ብንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር፡ ካብ ኢዶም ኣይከተምልጥን ኢኻ፣+ ብሰርኻ እውን እዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ ኽትነድድ እያ።”+ 24 ሽዑ፡ ጼዴቅያስ ንኤርምያስ ከምዚ በሎ፦ “ከይትመውትሲ፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ንሓደ እኳ ኣይተፍልጥ። 25 እቶም መሳፍንቲ ምሳኻ ኸም እተዛረብኩ እንተ ሰሚዖም እሞ ናባኻ መጺኦም፡ ‘ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ በጃኻ ንገረና። ሓንቲ እኳ ኣይትሕብኣልና እሞ ኣይክንቀትለካን ኢና።+ ንጉስ እንታይ ኢሉካ፧’ እንተ ኢሎምኻ፡ 26 ‘ኣብኣ ኸይመውትሲ ናብ ቤት ዮናታን መሊሱ ኸይሰድደኒ እየ ንንጉስ ዝልምን ነይረ’ ኢልካ መልሰሎም።”+ 27 ኵሎም እቶም መሳፍንቲ ኸኣ ናብ ኤርምያስ መጺኦም ሓተትዎ። ንሱ ድማ ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ኪብል ዝኣዘዞ ገይሩ ነገሮም። ነቲ ዝርርብ ዝሰምዐ ሓደ እኳ ኣይነበረን እሞ፡ ድሕሪኡ ሓንቲ እኳ ኣይበልዎን። 28 ክሳዕ እታ የሩሳሌም እተታሕዘትላ መዓልቲ፡ ኤርምያስ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ጸንሐ፣+ የሩሳሌም ክትተሓዝ ከላ እውን ኣብኡ ነበረ።+ 8 “በታ ግዜ እቲኣ፡” ይብል የሆዋ፡ “ኣዕጽምቲ ነገስታት ይሁዳን ኣዕጽምቲ መሳፍንታን ኣዕጽምቲ ኻህናትን ኣዕጽምቲ ነብያትን ኣዕጽምቲ ነበርቲ የሩሳሌምን ካብ መቓብራቶም ኪውሰድ እዩ። 2 ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘገልገልዎምን ዝሰዓብዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ጸሓይን ወርሕን ኵሎም ሰራዊት ሰማያትን ኪሰጥሕዎ እዮም።+ ኣይኪእከብን፡ ኣይኪቕበርን እውን እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ገጽ ምድሪ ኸም ድዅዒ ኪኸውን እዩ።”+ 3 “እቲ ዝተረፈ ተረፍ እዚ ኽፉእ ዓሌት እዚ ኸኣ ኣብቲ ዝበተንክዎ ቦታታት ካብ ህይወትሲ ሞት ኪሓሪ እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 4 “ከምዚ ድማ ክትብሎም ኢኻ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ወዲቖምሲ መሊሶም ኣይኪትንስኡን ድዮም፧ ሓደ እንተ ዚምለስሲ፡ እቲ ሓደኸ ኣይምተመልሰንዶ፧ 5 ስለምንታይ ደኣ እዩ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም፧ ምትላል ኣጽኒዖም ይሕዙ፣ምምላስ እውን ይኣብዩ።+ 6 ኣቕሊበን ሰሚዐንሲ፡ ኣዘራርባኦም ቅኑዕ ኣይነበረን። ብእከዩ እተነስሐ ወይ ‘እንታይ እየ ገይረ፧’ ኢሉ ዝሓተተ ሰብ የልቦን።+ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ናብ ውግእ ዚሓንን ፈረስ፡ ናብ ህቡብ መገዲ ይምለስ ኣሎ። 7 ራዛ እኳ ኣብ ሰማይ ምዱብ ግዜኡ ይፈልጥ፣ባሬቶን ለዃዂቶን ጭሩን* ዚምለሳሉ ግዜ* ይሕልዋ። ህዝበይ ግና ፍርዲ የሆዋ ኣይርዳእን እዩ።”’+ 8 ‘ከመይ ኢልኩም ደኣ፡ “ጥበበኛታት ኢና፡ ሕጊ* የሆዋ ድማ ኣሎና” እትብሉ፧ እኳ ደኣስ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ+ ሓሶት ንሓሶት ጥራይ እዩ ተዓይዩሉ። 9 ጥበበኛታት ሓፊሮም እዮም።+ ተሸቢሮም እዮም፡ ኪትሓዙ እውን እዮም። እንሆ፡ ንቓል የሆዋ ንዒቖምዎ ኣለዉ፣እንታይ ጥበብ ደኣ ኣለዎም፧ 10 ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘይግቡእ ረብሓ ይረክብ፡+ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን፡ ነፍሲ ወከፍ ይዕምጽ ኣሎ እሞ፡+ኣንስቶም ንኻልኦት ሰብኡት፡ግራውቶም ንኻልኦት ዋናታት ክህብ እየ።+ 11 ሰላም ዘየልቦስ፡“ሰላም ኣሎ! ሰላም ኣሎ!” እናበሉ+ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብቐሊሉ* ኼሕውዩ ይፍትኑ። 12 በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገር ይሓፍሩ ድዮም፧ ከቶ ኣይሓፍሩን እዮም! ውርደት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም!+ ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝወደቑ፡ ኪወድቁ እዮም። ምስ ቀጻዕክዎም፡ ኪዕንቀፉ እዮም’+ ይብል የሆዋ። 13 ‘ምስ ኣከብክዎም፡ ክውድኦም እየ’ ይብል የሆዋ። ‘ኣብ ተኽሊ ወይኒ ፍረ ወይኒ፡ ኣብ ኦም በለስ ከኣ በለስ ኣይኪተርፍን፣ ኣቝጽልቲ እውን ኪነቅጽ እዩ። ነቲ ዝሃብክዎም ድማ ኪስእንዎ እዮም።’” 14 “ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ተቐሚጥና ዘለና፧ ንተኣከብ እሞ ናብ እተዓርዳ ኸተማታት ንእቶ፡+ ኣብአን ድማ ንጥፋእ። ንየሆዋ ስለ ዝበደልናዮስ፡የሆዋ ኣምላኽና ኼጥፍኣና እዩ፣ክንሰትዮ ኸኣ እተመረዘ ማይ እዩ ዚህበና።+ 15 ንሰላም ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ጽቡቕ ኣይመጸን። ንግዜ ምሕዋይ ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሽበራ ዀይኑ!+ 16 ካብ ዳን ኵሪፍታ ኣፍራሱ ይስማዕ። ብደሃይ ምሕምሓም ጅንጕላታቱ፡ብዘላ እታ ምድሪ ተንቀጥቅጥ። መጺኦም ነታ ምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን፡ነታ ኸተማን ንነበርታን ይውሕጡ።” 17 “እንሆ፡ ኣብ መንጎኹም ኣትማን፡ዘይዕዘሙ መርዛማት ኣትማን እሰድድ ኣለኹ፣ንሳቶም ድማ ብርግጽ ኪነኽስኹም እዮም” ይብል የሆዋ። 18 ጓህየይ ዘይሓዊ እዩ፣ልበይ ሓሚሙ እዩ። 19 “የሆዋዶ ኣብ ጽዮን የሎን እዩ፧ ንጉሳዶኸ ኣብኣ የሎን እዩ፧” ዚብል ኣውያት ካብ ርሑቕ ሃገር፡ካብ ጓል ህዝበይ ይስማዕ ኣሎ። “ስለምንታይ ብቕሩጽ ምስልታቶም፡በቶም ከንቱ ጓኖት ኣማልኽቶም ኣዀርዮምኒ፧” 20 “ቀውዒ ሓሊፉ፡ ሓጋይ ከኣ ተወዲኡ፣ንሕና ግና ኣይደሓንናን!” 21 ብመስበርቲ ጓል ህዝበይ ተሰይረ ኣለኹ፣+ጕህየ ኣለኹ። ራዕዲ ሒዙኒ ኣሎ። 22 በለሳንዶ* ኣብ ጊልዓድ የልቦን እዩ፧+ ፈዋሲዶኸ* ኣብኡ የልቦን እዩ፧+ ስለምንታይ ደኣ ጓል ህዝበይ ዘይጠዓየት፧+ 11 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ! “ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ተዛረብ፡* 3 ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ዘይእዘዝ ሰብ ርጉም ይኹን፣+ 4 ኣብኡ ንኣቦታትኩም በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡+ ካብ እቶን ሓጺን፡+ ዘውጻእክዎም መዓልቲ፡ ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፦ ‘ድምጸይ ተኣዘዙ፣ ኵሉ እቲ ዝእዝዘኩም ድማ ግበሩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፣+ 5 ከምቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ዀይንዎ ዘሎ፡ ነቲ ንኣቦታትኩም፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኽህቦም ዝመሓልኩሎም ማሕላ ምእንቲ ኽፍጽምሲ፡ ከምኡ ግበሩ።’”’”+ ኣነ ኸኣ፡ “ኣሜን፡* ኦ የሆዋ” ኢለ መለስኩ። 6 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ነዚ ዅሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ኣውጆ፦ ‘ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ፡ ግበርዎ ድማ። 7 ንኣቦታትኩም በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ “ድምጸይ ተኣዘዙ” ኢለ ደጋጊመ* እናመዓድኩ ኣጸቢቐ ምዒደዮም እየ።+ 8 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖም እውን ኣየድነኑን፣ የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍ ብንቕጽና ንእኩይ ልቡ ስዒቡ።+ ስለዚ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶም እውን ምግባሩ ዝኣበዩ ኺዳን፡ ኣውሪደሎም።’” 9 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኣብ መንጎ ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ውዲት ኣሎ። 10 ናብ ስሕተት እቶም ንቓላተይ ምእዛዝ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመሊሶም ኣለዉ።+ ንሳቶም እውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስዒቦምን ንዓታቶም ኣገልጊሎምዎምን እዮም።+ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ።+ 11 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኬምልጡሉ ዘይክእሉ መዓት አምጽኣሎም ኣለኹ።+ ናባይ ምስ ዚምህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ።+ 12 ሽዑ፡ ከተማታት ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ናብቶም ዚስውኡሎም* ዘለዉ ኣማልኽቲ ኸይዶም ኪምህለሉ እዮም፣+ ንሳቶም ግና ብግዜ መዓቶም ኣይኬድሕንዎምን እዮም። 13 ኣታ ይሁዳ፡ ብዝሒ ኣማልኽትኻስ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ዀይኑ ኣሎ፣ ክንዲ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ጐደናታት ዚኣክል ከኣ፡ ንዜሕፍር ነገር* መሰውኢታት፡ ንበዓል ንምስዋእ መሰውኢታት ጌርካ ኣለኻ።’+ 14 “ንስኻ* ኸኣ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ። ብሰሪ መዓቶም ኪጽውዑኒ ኸለዉስ፡ ኣይክሰምዕን እየ እሞ፡ ምእንታኦም ኣይተእዊ፡ ወይ ኣይትጸሊ።+ 15 ብዙሓት ክፉእ ሓሳብ እናገበሩ ኽነሶምሲ፡ፍቕርተይ ኣብ ቤተይ ክትከውን እንታይ መሰል ኣለዋ፧ መዓት ምስ መጸክስ፡ ብቕዱስ ስጋዶ* ይኣልይዎ እዮም፧ በቲ ግዜ እትስ ትፍስሂ ዲኺ፧ 16 የሆዋ ንዓኺ፡ ብጽቡቕ ፍረ ዝጸበቐትልምዕቲ ኦም ኣውልዕ ኢሉ ሰምዩኪ ነይሩ። ብዓብዪ ደሃይ ጭድርታ፡ ብሓዊ ኣንዲድዋ፣ንሳቶም ድማ ጨናፍራ ሰይሮም። 17 “እቲ ተኻሊኺ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ ብሰሪ እቲ ንበዓል ብምስዋእ ዘዀረያኒ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ዝገበራኦ እከይ፡ መዓት ከም ዚመጸኪ ተዛሪቡ ኣሎ።”+ 18 ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ የሆዋ ሓቢሩኒ፣ሽዑ፡ እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ኣርኢኻኒ። 19 ኣነ ኸኣ ናብ ማሕረዲ ኸም ዚውሰድ ምእዙዝ ገንሸል* ነይረ። ከምዚ እናበሉ ተንኰል ይሓስቡለይ ከም ዝነበሩ ድማ ኣይፈለጥኩን፦+ “ስሙ ደጊም ከይዝከርሲ፡ነቲ ኦም ምስ ፍሪኡ ነጥፍኣዮ፣ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ንመንቍሶ።” 20 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ግና ብጽድቂ እዩ ዚፈርድ፣ውሽጣዊ ሓሳባትን* ልብን ይምርምር እዩ።+ ጕዳየይ ናባኻ ኣማዕቊበ ኣለኹ እሞ፡ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ። 21 ስለዚ፡ የሆዋ ኣንጻር እቶም፡ “ብኢድና ኸይትመውት፡ ብስም የሆዋ ኣይትነበ”+ ኢሎም ንህይወትካ* ዚደልይዋ ዘለዉ ሰብ ዓናቶት+ ከምዚ ይብል፣ 22 ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ። ኣጕባዝ ብሰይፊ ኺሞቱ፡+ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ኪሞቱ እዮም።+ 23 በታ ተሓተትቲ ዚዀኑላ ዓመት ኣብ ሰብ ዓናቶት+ መዓት ከምጽእ እየ እሞ፡ ተረፍ እኳ ኣይኪተርፎምን እዩ።” 2 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 2 “ኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌም ከምዚ በል፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብንእስነትኪ ዝነበረኪ ተወፋይነት፡*+ክትሕጸዪ ኸለኺ ዝነበረኪ ፍቕሪ፡+ኣብ በረኻ፡ ዘርኢ ኣብ ዘይተዘርአ ምድሪ+ኸመይ ከም ዝሰዓብክኒ ኣጸቢቐ እዝክሮ እየ። 3 እስራኤል ንየሆዋ እተቐደሰ፡+ በዅራት ቀውዑ እዩ ነይሩ።”’ ‘ንዕኡ ዚውሕጦ ዘበለ በዳሊ ይኸውን። መዓት ድማ ይወርዶም’ ይብል የሆዋ።”+ 4 ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ኵላትኩም ዓሌታት ቤት እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 5 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፡+ደድሕሪ ኸንቱ ጣኦታት+ ዝሰዓቡን ንርእሶም ከንቱ ዝዀኑንሲ፡+እንታይ ጕድለት ስለ ዝረኸቡለይ እዮም፧ 6 ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና፡+ብበረኻ፡ብምድረ በዳን+ ብጐዳጕድን፡ብምድሪ ደርቅን+ ብብርቱዕ ጽላሎትን፡ሰብ ብዘይጕዓዞንሰብ ብዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሓናየሆዋ ኣበይ ኣሎ፧’ ኢሎም ኣይሓተቱን። 7 ሽዑ፡ ፍሪኣን ጽቡቓን ክትበልዑ፡ናብ ምድሪ ግራት ፍረታት ኣምጺአኩም።+ ንስኻትኩም ግና ምስ መጻእኩም፡ ነታ ምድሪ ኣርኪስኩምዋ፣ንርስተይ እውን ፍንፍንቲ ጌርኩምዋ።+ 8 ካህናት፡ ‘የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧’ ኣይበሉን፣+ሕጊ ዝሓዙ፡ ኣይፈለጡንን፣ጓሶት ካባይ ዓለዉ፣+ነብያት ብበዓል ተነበዩ፣+ጥቕሚ ንዘየምጽኡ ኸኣ ሰዓቡ። 9 ‘ስለዚ፡ መሊሰ ኽብኣሰኩም እየ’+ ይብል የሆዋ፡‘ምስ ደቂ ደቅኹም እውን ክብኣስ እየ።’ 10 ‘ግናኸ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ* ኪቲም+ ተሳገሩ እሞ ርኣዩ። እወ፡ ናብ ቄዳር+ ልኣኹ እሞ ተጠንቂቕኩም ሕሰቡ፣ከምዚ ዝበለ ዀይኑ እንተ ዀይኑ፡ ርኣዩ። 11 ንኣማልኽቱስ ኣማልኽቲ ብዘይኰኑ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ፧ ህዝበይ ግና ንኽብረይ ብዘይጠቅም ለዊጥዎ።+ 12 ኣቱም ሰማያት ተገሪምኩም ጠምቱ፣ብኣዝዩ ዓብዪ ራዕዲ ኣንቀጥቅጡ’ ይብል የሆዋ፡ 13 ‘ህዝበይሲ ኽልተ ኽፉእ ነገር ገይሩ እዩ፦ ንዓይ ንምንጪ ህያው ማይ ሓዲጎምኒ፣+ንርእሶም ከኣ መዕቘሪታት ማይ፡እወ፡ ማይ ዘይዓቍር ነቓዕ መዕቘሪታት ማይ ኵዒቶም።’* 14 ‘እስራኤልሲ ጊልያ ወይ ኣብ ቤት እተወልደ ባርያ ድዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ንዘመተ ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ፧ 15 ሽደናት ኣናብስ ጓዚሞምሉ፣+ደሃዮም ኣልዒሎምሉ። ንምድሩ መሰክሒ ገይሮምዋ። ከተማታቱ ነዲደን፣ ስለዚ፡ ነባሪ የብለንን። 16 ህዝቢ ኖፍን*+ ታህጳኔስን+ ኣብ መንበስበስታኺ ተመጊቦም። 17 ብመገዲ እናመርሓክስንየሆዋ ኣምላኽኪ ብምሕዳግኪ፡+ነዚ ባዕልኺ ደይኰንክን ኣብ ርእስኺ ዘምጻእክዮ፧ 18 ሕጂኸ ማያት ሺሖር* ክትሰትይስ፡ስለምንታይ ናብ ግብጺ ዚወስድ መገዲ ትደልዪ ኣለኺ፧+ ማያት እቲ ፈለግ* ክትሰትይስ፡ስለምንታይ ናብ ኣሶር ዚወስድ መገዲ ትደልዪ ኣለኺ፧+ 19 እከይኪ ኺእርመኪ፡ጥልመትኪ ድማ ኪገንሓኪ ይግባእ። ንየሆዋ ኣምላኽኪ ምሕዳግኪ፡ክሳዕ ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፣+ኣይፈራህክንን’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 20 ‘ጥንትስ ኣርዑትኪ ሰይረ፡+መቓውሕኪ በጢሰ። ንስኺ ግና፡ “ኣየገልግልን እየ” ኢልኪ፣ኣብ ኵሉ በሪኽ ኵርባን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን+ንምንዝር ተጋሕቲንኪ በጥ ኢልኪ።+ 21 ሕሩይ ቀይሕ ተኽሊ ወይኒ፡+ ኵሉ ጽሩይ ዘርኢ ገይረ ተኺለኪ፣ከመይ ኢልኪ ደኣ ብልሽውቲ ጨናፍር ጓና ተኽሊ ወይኒ ዄንኪ ኣብ ቅድመይ ተለዊጥኪ፧’+ 22 ‘ብሶዳ* እኳ እንተ ተሓጸብኪ፡ ብዙሕ ሳሙና እውን እንተ ተጠቐምኪ፡በደልኪ ኣብ ቅድመይ ጽያቕ ኪኸውን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 23 ከመይ ኢልኪ፡ ‘ኣይረኸስኩን። ደድሕሪ በዓላት ኣይሰዓብኩን’ እትብሊ፧ መገድኺ ኣብ ስንጭሮ ተመልከቲ። እንታይ ከም ዝገበርኪ ሕሰቢ። ከምታ ኣብ መገድታታ ኣብዝን ኣብትን እትፋንንፈጣን ረባዕ ገመል ኢኺ፣ 24 በረኻ ኸም ዝለመደት ኣድጊ በረኻ፡ክትስረር ደልያ* ንንፋስ ፊንፊን ከም እትብል ኢኺ። ምስ ረሰነት መን ኪገትኣ ይኽእል፧ ኵሎም እቶም ዚደልይዋ ኺደኽሙ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብ ወርሓታ ኺረኽብዋ እዮም። 25 ኣእጋርኪ ጥራዩ ኻብ ምዃን፡ጐረሮኺ ድማ ካብ ጽምኢ ሓልዊ። ንስኺ ግና፡ ‘እዝስ ዘይከውን እዩ!+ ኣይፋለይን! ንጓኖት* ኣፍቂረ እየ፡+ክስዕቦም ከኣ እየ’+ ኢልኪ። 26 ከምቲ ሰራቒ ምስ ተታሕዘ ዚሓፍር፡ከምኡ ድማ ቤት እስራኤል፡ንሳቶምን ነገስታቶምን መሳፍንቶምንካህናቶምን ነብያቶምን ሓፊሮም ኣለዉ።+ 27 ንኦም፡ ‘ንስኻ ኣቦና ኢኻ’ ይብሉ፣+ንእምኒ፡ ‘ንስኺ ወሊድክና’ ይብሉ። ናባይ ግና ዝባኖም እምበር ገጾም ኣይመለሱን።+ ብግዜ መዓቶም ድማ፡‘ተንስእ እሞ ኣድሕነና!’ ኪብሉ እዮም።+ 28 እቶም ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧+ ኦ ይሁዳ፡ ኣማልኽትኻ ኸም ከተማታትካ ብዙሓት ኰይኖም እዮም እሞ፡ብግዜ መዓትካ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ ይተንስኡ።+ 29 ‘ስለምንታይ ምሳይ እትብኣሱ፧ ስለምንታይከ ዅላትኩም ካባይ ዓሊኹም፧’+ ይብል የሆዋ። 30 ንደቅኹም ብኸንቱ ወቒዐ።+ ተግሳጽ ኣይቅበሉን እዮም፣+ሰይፍኹም ከም ዘራፊ ኣንበሳንነብያትኩም ውሒጥዎም።+ 31 ኣቱም ወለዶ፡ ንቓል የሆዋ ሕሰቡሉ። ንእስራኤልዶ ኸም በረኻ፡ወይስ ከም ምድሪ ድቕድቕ* ጸልማት ኰይነዮም እየ፧ እዞም ህዝበይ ደኣ ስለምንታይ እዮም፡ ‘ብናጽነት ኰለል ንብል ኢና። ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝበሉ፧+ 32 ድንግልዶ ስልማታ፡መርዓትከ መቐነታ* ትርስዕ እያ፧ ህዝበይ ግና ቍጽሪ ንዘይብሉ መዓልትታት ረሲዑኒ።+ 33 ፍቕሪ ኽትደልዪ ኢልኪ መገዲ ምቕናዕሲ ኽንደይ ኰን ትኽእልሉ ኢኺ! ብመገድታት እከይ ርእስኺ ኣሰልጢንኪ ኣለኺ።+ 34 ጥሒሶም ኪኣትዉ እኳ እንተ ዘይረኸብክዎም፡ወሰናስን ክዳንኪ እኳ ብደም ንጹሃት ድኻታት* ተጸይቑ ኣሎ፣+ኣብ ኵሉ ወሰናስን ክዳንኪ ኣሎ።+ 35 ንስኺ ግና፡ ‘ኣነ ንጽህቲ እየ። ብርግጽ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ። ‘ኣይሓጣእኩን’ ስለ እትብሊ፡ሕጂ ኣነ ፍርዲ አምጽኣልኪ ኣለኹ። 36 ነቲ ዘይጽኑዕ መገድኺ ስለምንታይ ኣቕሊልኪ እትርእይዮ፧ ከምቲ ብኣሶር ዝሓፈርኪ፡+ብግብጺ እውን ክትሓፍሪ ኢኺ።+ 37 የሆዋ ነቶም እትእመንዮም ደርብይዎም እዩ እሞ፡በዚ ምኽንያት እዚ እውን ኣእዳውኪ ኣብ ርእስኺ ጌርኪ ኽትወጺ ኢኺ፣+ንሳቶም ኣይኬስልጡልክን እዮም።” 26 ኣብ መጀመርታ ንግስና ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ቓል እዚ ኻብ የሆዋ መጸ፦ 2 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ኣጸድ ቤት የሆዋ ደው ኢልካ፡ ብዛዕባ ዅሎም* እቶም ኣብ ቤት የሆዋ ኼምልኹ* ዚመጹ ዘለዉ ህዝቢ ኸተማታት ይሁዳ ተዛረብ። ኵሉ እቲ ዝእዝዘካ ንገሮም፣ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተጕድል። 3 ምናልባት ይሰምዑን ነፍሲ ወከፎም ካብ እኩይ መገዶም ይምለሱን ይዀኑ፣ ሽዑ፡ ኣነ ብዛዕባ እቲ ብሰሪ እከይ ተግባራቶም ከምጽኣሎም ሓሲበዮ ዝነበርኩ መዓት ሓሳበይ ክልውጥ እየ።*+ 4 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርኩልኩም ሕገይ* ንምስዓብ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ 5 ቃላት እቶም ደጋጊመ* ልኢኸልኩም ክነሰይ ዘይሰማዕኩምዎም ገላዎይ ነብያት እንተ ዘይሰሚዕኩም፡+ 6 ሽዑ ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሺሎ ኽገብራ፡+ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ንዅሎም ኣህዛብ ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።’”’”+ 7 ካህናትን ነብያትን ኵሎም ህዝብን ድማ፡ ኤርምያስ ኣብ ቤት የሆዋ ነዘን ቃላት እዚአን ኪዛረብ ከሎ ሰምዕዎ።+ 8 ኤርምያስ ኵሉ እቲ የሆዋ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኺዛረብ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ እቶም ካህናትን እቶም ነብያትን ኵሎም እቶም ህዝብን ሓዝዎ፣ “ብርግጽ ክትመውት ኢኻ። 9 ስለምንታይ ኢኻ፡ ‘እዛ ቤት እዚኣ ኸም ሺሎ ኽትከውን እያ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክትዓኑን ብዘይ ነበርቲ ኽትተርፍን እያ’ ኢልካ ብስም የሆዋ እተነበኻ፧” ድማ በልዎ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቤት የሆዋ ኣብ ዙርያ ኤርምያስ ተኣከቡ። 10 መሳፍንቲ ይሁዳ እዚ ቓላት እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ ቤት* ንጉስ ናብ ቤት የሆዋ ደየቡ፣ ኣብ መእተዊ እቲ ሓድሽ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ድማ ተቐመጡ።+ 11 እቶም ካህናትን እቶም ነብያትን ከኣ ነቶም መሳፍንትን ንዅሎም እቶም ህዝብን፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኣንጻር እዛ ኸተማ እዚኣ ኸምቲ ብኣእዛንኩም ዝሰማዕኩምዎ ተነብዩ እዩ እሞ፡ ሞት ኪፍረዶ ይግባእ እዩ”+ በልዎም።+ 12 ኤርምያስ ድማ ንዅሎም እቶም መሳፍንትን ንዅሎም እቶም ህዝብን ከምዚ በሎም፦ “ኣንጻር እዛ ቤት እዚኣን ኣንጻር እዛ ኸተማ እዚኣን፡ ኵሉ እቲ ዝሰማዕኩምዎ ቓላት ክንበ ዝለኣኸኒ የሆዋ እዩ።+ 13 ሕጂ እምበኣር፡ መገድታትኩምን ተግባራትኩምን ኣዐርዩ፣ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ተኣዘዙ፣ የሆዋ ኸኣ ብዛዕባ እቲ እተዛረበልኩም መዓት ሓሳቡ ኺልውጥ እዩ።*+ 14 ኣነ ግና እነኹ ኣብ ኢድኩም እየ። ኣብ ኣዒንትኹም ጽቡቕን ቅኑዕን ዝመሰለኩም ግበሩኒ። 15 ንዅለን እዘን ቃላት እዚአን እናሰማዕኩም ክዛረብ ዝለኣኸኒ ብሓቂ የሆዋ እዩ እሞ፡ እንተ ቐቲልኩምኒ፡ ንጹህ ደም ኣብ ርእስኹምን ኣብዛ ኸተማ እዚኣን ኣብቶም ነበርታን ከም እተምጽኡ፡ ብርግጽ ፍለጡ።” 16 ሽዑ፡ እቶም መሳፍንትን ኵሎም እቶም ህዝብን ነቶም ካህናትን ነቶም ነብያትን፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ብስም የሆዋ ኣምላኽና እዩ እተዛረበና እሞ፡ ሞት ኪፍረዶ ኣይግባእን እዩ” በልዎም። 17 ገለ ኻብቶም ዓበይቲ እታ ምድሪ ድማ ተንሲኦም ንብዘሎ ጉባኤ እቲ ህዝቢ ኸምዚ በልዎ፦ 18 “ሚክያስ+ ብዓል ሞረሸት ብዘመን ህዝቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ይንበ ነበረ፣ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡የሩሳሌም ከኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ፣+ከረን እታ ቤት* ድማ ኣብ ዱር ከም ዘሎ በረኽቲ* ኪኸውን እዩ።”’+ 19 “እሞኸ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኵሎም ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም፧ የግዳስ፡ ንየሆዋዶ ኣይፈርሀን፡ ሞገስ የሆዋዶ ኣይለመነን፧* የሆዋኸ ብዛዕባ እቲ ተዛሪቡሎም ዝነበረ መዓትዶ ሓሳቡ ኣይለወጠን፧*+ ስለዚ፡ ንሕና ኣብ ርእስና* ዓብዪ መዓት ከነምጽእ ኢልና ኣለና። 20 “ብስም የሆዋ ዚንበ ኡርያ ዚብሃል ሰብኣይ ወዲ ሸማዕያ ብዓል ቂርያት-የዓሪም+ ከኣ ነበረ፣ ንሱ ኣንጻር እዛ ኸተማ እዚኣን ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣን ከም ናይ ኤርምያስ ብዝበለ ቓላት ተነበየ። 21 ንጉስ ዮያቂምን+ ኵሎም ጀጋኑን ኵሎም መሳፍንትን ድማ ቃላቱ ሰምዑ፣ ንጉስ ከኣ ኪቐትሎ ደለየ።+ ኡርያ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ፈሪሁ ብኡብኡ ናብ ግብጺ ሃደመ። 22 ሽዑ፡ ንጉስ ዮያቂም ንኤልናታን+ ወዲ ዓኽቦር ምስ ካልኦት ሰባት ገይሩ ናብ ግብጺ ለኣኾ። 23 ንሳቶም ድማ ንኡርያ ኻብ ግብጺ ኣምጺኦም ናብ ንጉስ ዮያቂም ወሰድዎ፣ ንሱ ኸኣ ብሰይፊ ቐተሎ፣+ ንሬሳኡ እውን ኣብ መቓብር ተራ ህዝቢ ደርበዮ።” 24 ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ግና ንኤርምያስ ደገፎ፣ ስለዚ ድማ፡ ኪቕተልሲ ኣብ ኢድ እቲ ህዝቢ ኣሕሊፍካ ኣይተዋህበን።+ 44 ብዛዕባ ዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ+ ዚነብሩ፡ ኣብ ሚግዶልን+ ታህጳኔስን+ ኖፍን*+ ምድሪ ጳጥሮስን+ ዚነብሩ ኣይሁድ፡ ከምዚ ዚብል ቃል ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 2 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንስኻትኩም ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌምን+ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘምጻእክዎ መዓት ርኢኹም ኢኹም፣ ሎሚ ነባሪ ዘይብለን ዑናታት ኰይነን ኣለዋ።+ 3 ብሰንኪ እቲ ንሳቶም ኰኑ ኣቦታቶም ናብ ዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ+ ብምኻዶምን ንዓታቶም ብምስዋኦምን+ ብምግልጋሎምን ዝገበርዎ እከይ እየ ኸምኡ ገይረየን። 4 ንዅሎም ገላዎይ ነብያት ከኣ፡ “በጃኹም እዚ ኣነ ዝጸልኦ ፍንፉን ነገር እዚ ኣይትግበሩ” ኢለ ደጋጊመ* ልኢኸልኩም።+ 5 ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብዘይምስዋእ ካብ እከዮም ኪምለሱስ ኣይሰምዑን፡ እዝኖም እውን ኣየድነኑን።+ 6 ስለዚ፡ ነድረይን ቍጥዓይን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ተኻዕዩ፡ ነዲዱ እውን፣ ንሳተን ድማ ከምዚ ሎሚ ዀይነናኦ ዘለዋ፡ ዑናን ባድምን ኰይነን።’+ 7 “ሕጂ ኸኣ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ሓደ ተረፍ እኳ ኸይተረፈኩም፡ ኵሉ ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ሕጻንን ካብ ይሁዳ ኺጠፍእሲ፡ ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ርእስኹም* ዓብዪ መዓት እተምጽኡ ዘለኹም፧ 8 ኣብዛ ኽትነብሩላ ዝኸድኩምዋ ምድሪ ግብጺ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዋእ፡ ስለምንታይ ብግብሪ ኣእዳውኩም ተዀርዩኒ ኣለኹም፧ ክትጠፍኡ፡ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ምድሪ ድማ መራገምን መጻረፍን ክትኰኑ ኢኹም።+ 9 ነቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን እተገብረ እኩይ ግብርታት ኣቦታትኩምን እኩይ ግብርታት ነገስታት ይሁዳን+ እኩይ ግብርታት ኣንስቶምን+ እኩይ ግብርታትኩምን እኩይ ግብርታት ኣንስትኹምንዶ+ ረሲዕኩምዎ ኢኹም፧ 10 ንሳቶምሲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ርእሶም ኣየትሓቱን፡* ኣይፈርሁን፡+ በቲ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓታተይን እውን ኣይተመላለሱን።’+ 11 “ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንዅሉ ይሁዳ ኸጥፍእሲ፡ መዓት ከምጽኣልኩም ቈሪጸ ኣለኹ። 12 ነቶም ናብ ምድሪ ግብጺ ኸይዶም ኣብኣ ኺነብሩ ዝቘረጹ ተረፍ ይሁዳ ኸኣ ክወስዶም፡ ኵላቶም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኺውድኡ እዮም።+ ብሰይፊ ኺወድቁ፡ ብጥሜት እውን ኪውድኡ እዮም፣ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪሞቱ እዮም። መርገምን መሰክሕን መራገምን መጻረፍን ከኣ ኪዀኑ እዮም።+ 13 ከምቲ ንየሩሳሌም ዝቐጻዕክዋ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ተቐሚጦም ዘለዉ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ክቐጽዖም እየ።+ 14 እቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ኺነብሩ ዝኸዱ ተረፍ ይሁዳ ድማ ናብ ምድሪ ይሁዳ ምእንቲ ኺምለሱስ፡ ኣይኬምልጡን ወይ ኣይኪተርፉን እዮም። ናብኣ ኺምለሱን ኣብኣ ኪቕመጡን ኪናፍቑ* እዮም፣ ግናኸ፡ ብዘይካ ሒደት ዜምልጡስ፡ ኣይኪምለሱን እዮም።’” 15 ኵሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዚስውኣ ዚፈልጡ ሰብኡትን ኵለን እተን ኣብኡ ደው ኢለን ዝነበራ ኣዝየን ብዙሓት ኣንስትን ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ+ ኣብ ጳጥሮስ+ ዚነብሩ ህዝብን ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ 16 “እቲ ብስም የሆዋ እተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዕን ኢና። 17 ከምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን መሳፍንትናን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን እንጌራ ኣብ እንጸግበሉን ጽቡቕ ኣብ ዝነበርናሉን መዓት ጠሪስና ኣብ ዘይረኣናሉን ግዜ ዝገበርናዮ ደኣ፡ ኵሉ እቲ ንንግስቲ ሰማይ* ክንስውኣላን መስዋእቲ መስተ ኸነፍስሰላን+ ኣፍና እተዛረቦ ቓል ብርግጽ ክንፍጽሞ ኢና። 18 ካብቲ ንንግስቲ ሰማይ* ምስዋእን መስዋእቲ መስተ ምፍሳስን ዝሓደግናሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኵሉ ነገር ጐዲሉና እዩ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን እውን ተወዲእና ኢና።” 19 እተን ኣንስቲ ኸኣ፡ “ንንግስቲ ሰማይ* ክንስውኣላን መስዋእቲ መስተ ኸነፍስሰላን ከለና፡ ብምስላ እተቐርጸ መስዋእቲ እንጌራ ዝገበርናላን መስዋእቲ መስተ ዘፍሰስናላንሲ ብዘይ ፍቓድ ሰብኡትና ዲና፧” በላ። 20 ሽዑ፡ ኤርምያስ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ ነቶም ሰብኡትን ንኣንስቶምን ንዅሎም እቶም ዚዛረብዎ ዝነበሩ ህዝብን ከምዚ በሎም፦ 21 “እቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን መሳፍንትኹምን ህዝቢ እታ ምድርን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ዝሰዋእኩምዎ መስዋእቲ፡+ የሆዋ ዘኪርዎን ኣብ ልቡ ትዝ ኢልዎን ኣሎ! 22 የሆዋ ኸኣ ነቲ እኩይ ተግባራትኩምን ነቲ ዝገበርኩምዎ ፍንፉን ነገራትን ደጊም ኣይኪዕገሶን እዩ፣ ምድርኹም ድማ ከምዚ ሎሚ ዀይናቶ ዘላ፡ ባድምን መሰክሕን መራገምን ብዘይ ነባርን ክትከውን እያ።+ 23 እዚ መስዋእቲ እዚ ስለ ዝሰዋእኩም፡ ንድምጺ የሆዋ ብዘይምእዛዝን ሕግታቱን ስርዓታቱን መዘኻኸሪታቱን ብዘይምስዓብን ከኣ ንየሆዋ ስለ ዝበደልኩምዎ እዩ ኸምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ እዚ መዓት እዚ ዝወረደኩም።”+ 24 ኤርምያስ ድማ ንዅሎም እቶም ህዝብን ንዅለን እተን ኣንስትን ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘለኹም ኵልኹም ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 25 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘እቲ ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን ብኣፍኩም እተዛረብኩምዎ፡ ብኣእዳውኩም ፈጺምኩምዎ ኣለኹም፣ ንስኻትኩምሲ፡ “ንንግስቲ ሰማይ* ክንስውኣላን መስዋእቲ መስተ ኸነፍስሰላን ዝኣቶናዮ መብጽዓታት ብርግጽ ክንፍጽም ኢና” ኢልኩም ኢኹም።+ ኣትን ኣንስቲ፡ ብርግጽ መብጽዓታትክን ክትፍጽማን መብጽዓታትክን ክትገብራን ኢኽን።’ 26 “ስለዚ፡ ኣቱም ኣብ ምድሪ ግብጺ እትነብሩ ዘለኹም ኵልኹም ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፦ ‘“እንሆ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ‘ከምቲ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ተባሂሉ ስመይ ብዝዀነ ሰብ ይሁዳ+ ብማሕላ ኸም ዘይጽዋዕ፡ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ” ይብል የሆዋ።+ 27 “ሕጂ፡ ጽቡቕ ዘይኰነስ፡ መዓት ከምጽኣሎም እቋመቶም ኣለኹ፣+ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘለዉ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዚጠፍኡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪውድኡ እዮም።+ 28 ሒደት ጥራይ ካብ ሰይፊ ኣምሊጦም ካብ ምድሪ ግብጺ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም።+ ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ኣብኣ ኺነብሩ ናብ ምድሪ ግብጺ ዚመጹ ተረፍ ይሁዳ፡ ካብ ናተይ ወይ ካብ ናታቶም፡ ናይ መን ቃል ከም እተፈጸመ ኺፈልጡ እዮም!”’” 29 “‘እቲ መዓት ከም ዘምጽኣልኩም እተዛረብክዎ ቓላተይ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ምእንቲ ኽትፈልጡስ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸም ዝቐጽዓኩም ዚሕብር ምልክት እዚ እዩ። 30 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ከምቲ ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ እቲ ጸላኢኡን ንህይወቱ* ዚደልያን ዝነበረ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ፡ ንፈርኦን ሆፍራ ንጉስ ግብጺ ኸኣ ኣብ ኢድ ጸላእቱን ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቱ* ዚደልይዋን ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።”’”+ 4 “ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመሊስካ” ይብል የሆዋ፡“ናባይ እንተ ተመሊስካ፡ጽዩፋት ጣኦታትካ ድማ ካብ ቅድመይ እንተ ኣርሒቕካ፡ሽዑ፡ ቀባሕባሓይ ኣይክትከውንን ኢኻ።+ 2 ብሓቅን ብፍትሕን ብጽድቅን ‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢልካ እንተ ምሒልካ፡ሽዑ፡ ኣህዛብ በረኸት ኪረኽቡ፡*ብእኡ እውን ኪምክሑ እዮም።”+ 3 የሆዋስ ንሰብ ይሁዳን ንየሩሳሌምን ከምዚ ይብል፦ “ዚሕረስ ምድርኹም ሕረሱ፣ኣብ መንጎ ኣእሻዅ ከኣ ኣይትዝርኡ።+ 4 ኣቱም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡ብሰንኪ ኽፉእ ተግባራትኩም፡ነድረይ ከም ሓዊ ኸይባራዕ እሞ፡+ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኸይነድድሲ፡ንየሆዋ ተገዘሩ፣ዕልቦ ልብኹም ኣርሕቑ።”+ 5 ኣብ ይሁዳ ንገሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ኣውጁ። ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ጨድሩን መለኸት ንፍሑን።+ ብዓውታ ኸምዚ ኢልኩም ተድሃዩ፦ “ተኣከቡ፡ናብ እተዓርዳ ኸተማታት ከኣ ንህደም።+ 6 ሰንደቕ ዕላማ ናብ ጽዮን ኣልዕሉ። መጸግዒ ድለዩ፣ ደው እውን ኣይትበሉ።” ከመይሲ፡ ካብ ሰሜን መዓት፡ ዓብዪ ውድቀት አምጽእ ኣለኹ።+ 7 ንሱ ኸም ኣንበሳ ኻብ ጣሻ በለዅ ኢሉ፣+እቲ መጥፍኢ ኣህዛብ ነቒሉ።+ ንምድርኺ መሰክሒ ኺገብራ ኻብ ቦታኡ ወጺኡ። ከተማታትኪ ኺዓኑን ብዘይ ነባሪ ኪኸውንን እዩ።+ 8 እምበኣር፡ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኻባና ኣይተመልሰን እሞ፡ማቕ ተኸደኑ፡+ሕዘኑ፡* ዋይዋይ ድማ በሉ። 9 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡ “ንንጉስ ልቡ ኺጠልሞ* እዩ፣+ንመሳፍንቲ እውን ልቦም ኪጠልሞም* እዩ፣ካህናት ከኣ ኪርዕዱ፡ ነብያት ከኣ ኪግረሙ እዮም።”+ 10 ሽዑ ኣነ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ሰይፊ ኣብ ጐረሮና ኸሎስ፡* ‘ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም’+ ብምባልካ፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ብሓቂ ፈጺምካ ኣታሊልካዮ”+ በልኩ። 11 በታ ግዜ እቲኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ከምዚ ኺብሃል እዩ፦ “ዚምሽሉቝ ንፋስ ካብቲ መኻን ኵርባታት ምድረ በዳንጓል* ህዝበይ ክዅስትራ እዩ፣ኬዝሩ ወይ ኬጽሪ ኣይኰነን ዚመጽእ። 12 ብምሉእ ሓይሉ ዚነፍስ ንፋስ ካብቲ ቦታታት እቲ ብትእዛዘይ ኪመጽእ እዩ። ሕጂ ኣነ ንዓታቶም ክፈርዶም እየ። 13 እንሆ፡ ንሱ ኸም ደበናታት ዝናም ኪመጽእ እዩ፣ሰረገላታቱ ድማ ከም ህቦብላ ንፋስ እዩ።+ ኣፍራሱ ኻብ ንስርታት ይፈጥኑ።+ ጠፊእና ኢና እሞ፡ ወይለና! 14 ኣቲ የሩሳሌም፡ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ልብኺ ኻብ እከይ ሕጸቢ።+ ክሳዕ መዓስ ኢኺ እኩይ ሓሳባት ኣብ ውሽጥኺ ኸተንብሪ፧ 15 ካብ ዳንሲ ድምጺ፡ ወረ የውሪ ኣሎ፣+ካብ ኣኽራን ኤፍሬም ከኣ መዓት ይእውጅ ኣሎ። 16 እወ፡ ንኣህዛብ ንገሩ፣ኣንጻር የሩሳሌም ኣውጁ።” “ሓለውቲ* ኻብ ርሑቕ ሃገር ይመጹ ኣለዉ፣ኣንጻር ከተማታት ይሁዳ ድማ ድምጾም ዓው ኬብሉ እዮም። 17 ካባይ ስለ ዝዓለወት፡+ከም ሓለውቲ መሮር ኰይኖም ብዅሉ ሸነኻ ኺመጽእዋ እዮም”+ ይብል የሆዋ። 18 “መገድታትክን ተግባራትክን ኣብ ልዕሌኺ ኺወርድ እዩ።+ መዓትክስ ክሳብ ልብኺ ኺበጽሕ እዩ እሞ፡ክሳዕ ክንደይ ኰን መሪር እዩ!” 19 እዋይ ስቓይ፡* እዋይ ስቓይ! ኣብ ልበይ* ብርቱዕ ስቓይ ኣሎ። ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይወቅዕ ኣሎ። ደሃይ መለኸት፡ምልክት መጠንቀቕታ ውግእ* ሰሚዐ እየ* እሞ፡ስቕ ክብል ኣይከኣልኩን።+ 20 ብዘላ እታ ምድሪ ጠፊኣ እያ እሞ፡መዓት ኣብ ልዕሊ መዓት ይውረ ኣሎ። ድንኳናተይ ብሃንደበት፡ዓለባታት ድንኳነይ ከኣ ብቕጽበት ጠፊኡ።+ 21 ክሳዕ መዓስ እየ ሰንደቕ ዕላማ ኽርኢ፡ደሃይ መለኸትከ ኽሰምዕ፧+ 22 “ህዝበይሲ ዓያሹ እዮም፣+ኣይፈለጡንን። ኣእምሮ ዘይብሎም ሃላያት እዮም። ክፉእ ንምግባር በላሕቲ* እዮም፣ጽቡቕ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።” 23 ነታ ምድሪ ርእየያ፣ እንሆ ድማ፡ ጥራያን ባድምን እያ ነይራ።+ ንሰማያት እውን ጠሚተዮም፣ ብርሃኖም ከኣ ኣይነበረን።+ 24 ንኣኽራን ርእየዮም፣ እንሆ ድማ፡ የንቀጥቅጡ ነይሮም፣ኵርባታት እውን የንፈጥፍጡ ነይሮም።+ 25 ርእየስ፡ እንሆ፡ ሰብ ኣይነበረን፣ኣዕዋፍ ሰማያት እውን ሃዲመን ነይረን።+ 26 ርእየስ፡ እንሆ፡ እቲ ግራት ፍረታት፡ በረኻ ዀይኑ ነይሩ፣ከተማታታ ኸኣ ኵላተን ፈሪሰን ነይረን።+ ብሰንኪ የሆዋ፡ብሰንኪ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ እዩ እዚ ዀይኑ። 27 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ብዘላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፣+ጠሪሰ ግና ኣይከጥፍኣን እየ። 28 በዚ ምኽንያት እዚ፡ እታ ምድሪ ኽትሓዝን፡+ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማያት ድማ ኪጽልምት እዩ።+ ስለምንታይሲ፡ ኣነ ተዛሪበ ኣለኹ፣ ኣነ ወሲነ ኣለኹ፣ሓሳበይ ከኣ ኣይክልውጥን* እየ፣ ካብኡ እውን ኣይክምለስን እየ።+ 29 ብዘላ እታ ኸተማብደሃይ ፈረሰኛታትን ቀስተኛታትን ትሃድም ኣላ።+ ናብ ጣሻታት ኪኣትዉ፡ኣብ ኣኻውሕ ድማ ኪሓዅሩ እዮም።+ ኵለን ከተማታት ተሓዲገን እየን፣ዋላ ሓደ ሰብ እውን ኣይቅመጠንን እዩ።” 30 ሕጂ ኣቲ ዝዓኖኺ፡ እንታይ ደኣ ኽትገብሪ ኢኺ፧ ድሙቕ ቀይሕ ትኽደኒ፡ብስልማት ወርቂ ትስለሚ፡ንኣዒንትኺ ብዅሕሊ ተጕልሒ ኔርኪ። ግናኸ፡ እቶም ዚደልዩኺ ንዒቖምኺ እዮም እሞ፡ንኸንቱ ኢኺ ገዛእ ርእስኺ ዘጸበቕኪ፣+ሕጂ ንህይወትኪ* ይደልይዋ ኣለዉ።+ 31 ከመይሲ፡ ከምቲ ናይ ሕምምቲ ዝበለ ደሃይ፡ከምቲ ንበዅራ ናይ እትጸዓር ዝበለ ጭንቂ፡ድምጺ እታ እትንኣኽ ጓል ጽዮን ሰሚዐ። ኣእዳዋ ዘርጊሓ፡+“ብሰንኪ ቐተልቲ ደኺመ እየ* እሞ፡ ወይለይ!” ትብል ኣላ። 41 ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን* ሓደ ኻብቶም ኣውራታት ንጉስን ዝነበረ እስማኤል+ ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሻማዕ ምስ ዓሰርተ ሰባት ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ናብ ሚጽጳ መጸ።+ ኣብ ሚጽጳ ብሓባር እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ 2 እስማኤል ወዲ ነታንያን እቶም ዓሰርተ ሰባትን ተንሲኦም፡ ንገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ብሰይፊ ቐተልዎ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ሸይምዎ ዝነበረ፡ ቀተሎ። 3 እስማኤል ከኣ ነቶም ምስ ገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከለዳውያን ተዋጋእትን ቀተሎም። 4 ኣብ ጽባሕ እታ ገዳልያ እተቐትለላ መዓልቲ ድማ፡ ሓደ እኳ ብዛዕባ እዚ ኸይፈለጠ ኸሎ፡ 5 ካብ ሴኬምን+ ካብ ሺሎን+ ካብ ሰማርያን+ ጭሕሞም እተላጸዩን ክዳውንቶም እተቐድደን ሰብነቶም ዝበጥሑን+ 80 ሰባት፡ ናብ ቤት የሆዋ ኺወስድዎ መስዋእቲ እኽልን ጻዕዳ ዕጣንን+ ኣብ ኢዶም ሒዞም መጹ። 6 እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸኣ ካብ ሚጽጳ እናበኸየ ኸይዱ ተቐበሎም። ምስ ረኸቦም ድማ፡ “ንዑናይ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም” በሎም። 7 ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ግና፡ እስማኤል ወዲ ነታንያን ሰቡን ሓረድዎም፡ ኣብ መዕቘር ማይ እውን ደርበይዎም። 8 ካባታቶም ዓሰርተ ሰባት ግና ንእስማኤል፡ “ሕቡእ መኽዘናት ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ መሮር ኣሎና እሞ፡ ኣይትቕተለና” በልዎ። ስለዚ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቶም ከይቀተለ ሓደጎም። 9 እስማኤል ድማ ንዅሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ኣብቲ ንጉስ ኣሳ ብሰሪ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ዓብዪ መዕቘር ማይ ደርበዮ።+ እዚ ኸኣ እቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ በቶም ቅቱላት ዝመልኦ መዕቘር ማይ እዩ። 10 እስማኤል ድማ ንዅሎም እቶም ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም ዝገደፎም ኣብ ሚጽጳ ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝቢ፡+ እንተላይ ንኣዋልድ ንጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ሚጽጳ ዝተረፉ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። እስማኤል ወዲ ነታንያ ኸኣ ማሪኹ ወሰዶም እሞ ናብ ዓሞናውያን ኪሰግር ነቐለ።+ 11 ዮሓናን+ ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ብዛዕባ ዅሉ እቲ እስማኤል ወዲ ነታንያ ዝገበሮ እከይ ምስ ሰምዑ፡ 12 ንዅሎም ሰቦም ሒዞም ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኺዋግእዎ ኸዱ፣ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት* ድማ ረኸብዎ። 13 ኵሎም እቶም ምስ እስማኤል ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ፡ ንዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ንዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ምስ ረኣዩ፡ ተሓጐሱ። 14 ሽዑ፡ ኵሎም እቶም እስማኤል ካብ ሚጽጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ህዝቢ+ ዞይሮም ምስ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃ ተመሊሶም ከዱ። 15 እስማኤል ወዲ ነታንያ ግና ምስ ሸሞንተ ሰቡ ኻብ ዮሓናን ኣምለጠ፡ ናብ ዓሞናውያን እውን ከደ። 16 ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ነቶም እስማኤል ወዲ ነታንያ ንገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም ምስ ቀተሎ ኻብ ኢዱ ዘናገፍዎም ካብ ሚጽጳ ዝተረፉ ህዝቢ ምሳታቶም ወሰድዎም። ነቶም ሰብኡትን ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን ከኣ ካብ ጊብዖን መለስዎም። 17 ናብ ግብጺ ኪኸዱ ሓሲቦም ድማ፡+ ናብታ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም+ ዘላ መሕደሪ ኪምሃም ከይዶም ኣብኣ ጸንሑ። 18 ከመይሲ፡ እስማኤል ወዲ ነታንያ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ዝሸሞ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ስለ ዝቐተሎ፡ በቶም ከለዳውያን ፈሪሆም ነበሩ።+ 46 እቲ ብዛዕባ ኣህዛብ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦+ 2 ብዛዕባ ግብጺ፡+ ብዛዕባ እቲ ብራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ዝነበረን ብነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ኣብ ከርከሚሽ እተሳዕረን ሰራዊት ፈርኦን ኔኮ+ ንጉስ ግብጺ፦ 3 “ንኣሽቱ ዋላቱን* ዓበይቲ ዋላቱን ኣዳልዉ፣ናብ ውግእ ድማ ቅረቡ። 4 ኣቱም ፈረሰኛታት፡ ንኣፍራስ ጽዒንኩም ተወጥሕዎም። ቍራዕ ርእስኹም ጌርኩም ደው በሉ። ሕላስኩም ወልውሉ፡ ድርዕኹም እውን ልበሱ። 5 ‘ስለምንታይ እየ ተሸቢሮም ዝርእዮም ዘለኹ፧ የንሳሕቡ ኣለዉ፡ ጀጋኑኦም ተሓምሺሾም እዮም። ብስምባድ ይሃድሙ ኣለዉ፡ ጀጋኑኦም ኣይተመልሱን። ሽበራ ኣብ ዙርያ ኣሎ’ ይብል የሆዋ። 6 ‘ፈጣን ኪሃድም ኣይከኣለን፡ ጀጋኑ እውን ኬምልጡ ኣይከኣሉን። ኣብ ሰሜን፡ ኣብ ገማግም ፈለግ ኤፍራጥስተዓንቂፎም ወደቑ።’+ 7 እቲ ኸም ፈለግ ኒል፡ከም ቡሕቡሕታ ማያት ርባታት ዚድይብ ዘሎ መን እዩ፧ 8 ግብጺ ኸም ፈለግ ኒል፡+ከም ቡሕቡሕታ ማያት ኣፍላግ ይድይብ ኣሎ፣ንሱ ድማ፡ ‘ኣነ ኽድይብ፡ ንምድሪ እውን ክኸድና እየ። ንኸተማን ኣብኣ ንዚነብሩን ከጥፍእ እየ’ ይብል ኣሎ። 9 ኣቱም ኣፍራስ፡ ደይቡ! ኣቱም ሰረገላታት፡ ከም ዕቡድ ጋልቡ! እቶም ጀጋኑ፡እቶም ዋላቱ ዚሕዙ ኩሽን ጱጥን፡+እቶም ቀስቲ ዚሕዙን ዚግትሩን*+ ሉዲም፡+ ይቕረቡ። 10 “እታ መዓልቲ እቲኣ ናይቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ንተጻረፍቱ ሕነ ዚፈድየላ መዓልቲ ሕነ እያ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ምድሪ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ መስዋእቲ* ኣለዎ እሞ፡ ሰይፊ ኺውሕጥን ኪጸግብን ብደሞም ኪረውን እዩ።+ 11 ኣቲ ድንግል ጓል ግብጺ፡በለሳን ክትወስድስ ናብ ጊልዓድ ደይቢ።+ ኣይክትሓውይን ኢኺ እሞ፡+ንኸንቱ ኣፋውስኪ ኣብዚሕኪ ኣለኺ። 12 ኣህዛብ ውርደትኪ ሰሚዖም ኣለዉ፣+ኣውያትኪ ድማ ነታ ምድሪ መሊእዋ ኣሎ። ከመይሲ፡ ጅግና ብጅግና ይዕንቀፍ ኣሎ፣ክልቲኦም ከኣ ሓቢሮም ይወድቁ ኣለዉ።” 13 የሆዋ ንነብዪ ኤርምያስ፡ ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ንምድሪ ግብጺ ዚወቕዓ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦+ 14 “ኣብ ግብጺ ንገሩ፡ ኣብ ሚግዶል ኣውጁ።+ ኣብ ኖፍን* ኣብ ታህጳኔስን ኣውጁ።+ ከምዚ በሉ፦ ‘ሰይፊ ኣብ ዙርያኹም ኪውሕጥ እዩ እሞ፡ተዳሊኹም ቁሙ። 15 ስለምንታይ ሓያላትካ ተዀስቲሮም፧ የሆዋ ደፊእዎም እዩ እሞ፡ኣብ መትከሎም ኣይቈሙን። 16 ብብዝሒ ይዕንቀፉን ይወድቁን ኣለዉ። ንሓድሕዶም፡ “ተንስእ! ካብዚ ሕሱም ሰይፍስ፡ናብ ህዝብናን ናብ ዓድናን ንመለስ”ይባሃሃሉ ኣለዉ።’ 17 ኣብኡ ኸኣ፡‘ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣጋጣሚ* ዝሓለፎትርጉም ዘይብሉ ጫውጫውታ ጥራይ እዩ’ ኢሎም ኣወጁ።+ 18 እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ንሱ* ኣብ መንጎ ኣኽራን ዘሎ ኸም ታቦር፡+ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ+ ኪመጽእ እዩ። 19 ኣቲ ኣብ ግብጺ እትነብሪ ጓል፡ኣቕሑኺ ንምርኮ ኣዳልዊ። ኖፍሲ* መሰክሒ ኽትከውን፡ብሓዊ ኽትባራዕ፡* ብዘይ ነባሪ እውን ክትተርፍ እያ።+ 20 ግብጺ ኸም ጽቡቕ ዝትርኢታ ኣርሒ እያ፣ካብ ሰሜን ግና ተናኸስቲ ጽንጽያ ኺመጽዋ እዮም። 21 እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዕሱባት ተዋጋእታ እኳ ኸም ስቡሓት ምራኹት እዮም፣ግናኸ፡ ንሳቶም እውን ተመሊሶም ብሓባር ይሃድሙ ኣለዉ። መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ግዜ ምጽብጻቦም መጺእዎም እዩ እሞ፡ኣብ መትከሎም ኪቘሙ ኣይከኣሉን።’+ 22 ‘ኣእዋም ከም ዚቘርጹ* ሰባት፡ብሓይሊ፡ ምስ ፋሳት ይመጽዋ ኣለዉ እሞ፡ደሃያ ሸተተት ከም ዚብል ተመን እዩ። 23 ዱራ ዘይጠሓስ እኳ እንተ መሰለ፡ ኪቘርጽዎ እዮም’ ይብል የሆዋ። ‘ንሳቶምሲ ቝጽሪ ዘይብሎም ካብ ኣንበጣ ዚበዝሑ እዮም። 24 ጓል ግብጺ ኽትሓፍር እያ። ኣብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ኣሕሊፍካ ኽትውሃብ እያ።’+ 25 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ሕጂ፡ ካብ ኖ*+ ናብ ኣሞንን+ ናብ ፈርኦንን ናብ ግብጽን ናብ ኣማልኽታን+ ናብ ነገስታታን፡ እወ፡ ናብ ፈርኦንን ናብ ኵሎም እቶም ብእኡ ዚእመኑን+ ቈላሕታይ እገብር ኣለኹ።’ 26 “‘ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን+ ኣብ ኢድ ገላዉኡን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ድሕሪኡ ግና ከም ቀደም ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም’ ይብል የሆዋ።+ 27 ‘ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣይትፍራህ፣ኣታ እስራኤል እውን፡ ኣይትሸበር።+ ኣነስ ንዓኻ ኻብ ርሑቕ ከድሕነካ፡ንዘርእኻ ኸኣ ካብ ምድሪ ምርኮኦም ከድሕኖም እየ።+ ያእቆብ ኪምለስን ኪሃድእን እዩ፡ ኣይኪርበሽን ድማ እዩ፣ዜፍርሆ ኸኣ ኣይኪህሉን እዩ።+ 28 ስለዚ፡ ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ’ ይብል የሆዋ። ‘ንዅሎም እቶም ናባታቶም ዝበተንኩኻ ኣህዛብ ደኣ ኸጽንት እየ፣+ንዓኻ ግና ኣይከጽንተካን እየ።+ ብልክዕ ክግስጸካ* እየ እምበር፡+ከይቀጻዕኩስ ኣይክሓድገካን እየ።’” 37 እቲ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዘንገሶ+ ንጉስ ጼዴቅያስ+ ወዲ ዮስያስ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም ነገሰ። 2 ንሱን ገላዉኡን ህዝቢ እታ ምድርን ግና ነቲ የሆዋ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓላት ኣይሰምዑን። 3 ንጉስ ጼዴቅያስ ከኣ ንዮካል+ ወዲ ሸለምያን ንጸፎንያስ+ ወዲ ማዓስያ እቲ ኻህንን፡ “በጃኻ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ጸልየልና” ኺብልዎ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ለኣኾም። 4 ንኤርምያስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣየእተውዎን ነበሩ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ብናጻ ይንቀሳቐስ ነበረ።+ 5 ሰራዊት ፈርኦን ድማ ካብ ግብጺ ነቐለ፣+ እቶም ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ከለዳውያን ከኣ ብዛዕባ እዚ ወረ ሰምዑ። ስለዚ፡ ካብ የሩሳሌም ኣንሳሓቡ።+ 6 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ኤርምያስ መጸ፦ 7 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ኽትሓትቱኒ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፦ “እንሆ፡ እቲ ኺረድኣኩም ኢሉ ዚመጽእ ዘሎ ሰራዊት ፈርኦን ናብ ምድሩ ናብ ግብጺ ኺምለስ እዩ።+ 8 እቶም ከለዳውያን ከኣ ኪምለሱን ነዛ ኸተማ እዚኣ ኺዋግእዋን ኪሕዝዋን ብሓዊ ኼንድድዋን እዮም።”+ 9 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘እቶም ከለዳውያን ብርግጽ ካባና ኪኸዱ እዮም’ ኢልኩም ርእስኹም* ኣይተታልሉ፣ ንሳቶምሲ ኣይኪኸዱን እዮም። 10 ንብዘሎ ሰራዊት እቶም ዚዋግኡኹም ዘለዉ ከለዳውያን እኳ እንተ ትወቕዑ እሞ፡ ቍሱላት ሰቦም ጥራይ እኳ እንተ ዚተርፉ፡ ካብ ድንኳናቶም ተንሲኦም ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መንደድዋ።”’”+ 11 ሰራዊት ከለዳውያን ብሰሪ ሰራዊት ፈርኦን ካብ የሩሳሌም ምስ ኣንሳሓበ፡+ 12 ኤርምያስ ኣብ መንጎ ህዝቡ ግደኡ ኺወስድ፡ ካብ የሩሳሌም ናብ ምድሪ ብንያም ነቐለ።+ 13 ኣብ ኣፍ ደገ ብንያም ምስ በጽሐ ግና፡ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ዝነበረ ይርያ ወዲ ሸለምያ ወዲ ሓናንያ ንነብዪ ኤርምያስ፡ “ናብ ከለዳውያን ትኸድዕ ኣለኻ!” ኢሉ ሓዞ። 14 ኤርምያስ ግና፡ “ሓሶት! ናብ ከለዳውያን ኣይከድዕን እየ ዘለኹ” በለ። ንሱ ግና ኣይሰምዖን። ይርያ ኸኣ ንኤርምያስ ሒዙ ናብ መሳፍንቲ ኣምጽኦ። 15 እቶም መሳፍንቲ ድማ ንኤርምያስ ተቘጥዕዎ፡+ ወቕዕዎ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ እውን ኣሰርዎ።+ 16 ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ፡* ኣብቲ ኸም ጉባ ዝናሕሱ ኽፍልታት ኣተወ፣ ኣብኡ ድማ ብዙሕ መዓልትታት ገበረ። 17 ሽዑ፡ ንጉስ ጼዴቅያስ ልኢኹ ወሰዶ፣ ንጉስ ከኣ ብምስጢር ኣብ ቤቱ፡* “ካብ የሆዋ ዝመጸ ቓልዶ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ ኤርምያስ ድማ፡ “እወ ኣሎ!” በሎ፣ ኣስዒቡ እውን፡ “ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ ኢኻ!” በሎ።+ 18 ኤርምያስ ከኣ ንንጉስ ጼዴቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ናብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምንስ፡ ንዓኻን ንገላዉኻን ነዚ ህዝቢ እዝን እንታይ እየ በዲለ፧ 19 እቶም፡ ‘ንጉስ ባቢሎን ኣንጻርኩምን ኣንጻር እዛ ምድርን ኣይኪመጽእን እዩ፧’ ኢሎም እተነበዩልኩም ነብያትኩም ደኣ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ፧+ 20 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ በጃኻ ስማዕ። በጃኻ ኸምቲ ናይ ሞገስ ልማኖይ ፍቐደለይ። ኣብኣ ኸይመውትሲ፡+ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ጸሓፊ ኣይትምለሰኒ።”+ 21 ስለዚ፡ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ+ ኪኸውን፡ ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ እንጌራ ኽሳዕ ዚውዳእ+ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ኻብ ጐደና ሰንከትቲ ሓደ ኸቢብ እንጌራ ኺውሃቦ፡+ ንጉስ ጼዴቅያስ ኣዘዘ። ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ኣጸድ ሓለውቲ ነበረ። 40 ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርምያስ ምስ ኵሎም እቶም ናብ ባቢሎን ዚውሰዱ ዝነበሩ ምሩኻት የሩሳሌምን ይሁዳን ብመቝሕ ኣሲሩ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ ራማ+ ምስ ፈትሖ፡ ናብ ኤርምያስ ቃል የሆዋ መጸ። 2 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርምያስ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣምላኽካ፡ እዚ መዓት እዚ ነዛ ቦታ እዚኣ ተዛሪቡላ ነይሩ እዩ፣ 3 ንስኻትኩም ንየሆዋ ስለ ዝበደልኩምዎን ድምጹ ስለ ዘይተኣዘዝኩምን ከኣ፡ የሆዋ ኸምቲ ዝበሎ ኣምጺእዎ እዩ። ስለዚ እዩ እዚ ዀይኑ ዘሎ።+ 4 ሕጂ ድማ ኣነ ሎሚ ኻብቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ መቝሕ እፈትሓካ ኣለኹ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ጽቡቕ እንተ መሲሉካ፡ ንዓናይ፣ ኣነ እውን ክከናኸነካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፡ ኣይትኺድ። እንሆ፡ ብዘላ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ናብ ዝሓረኻዮ ኺድ።”+ 5 ኤርምያስ ከይተመልሰ ምስ ጸንሐ፡ ነቡዛራዳን፡ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ተመለስ እሞ ምስኡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተቐመጥ፣ ወይ ናብ ዝሓረኻዮ ኺድ” በሎ። ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ስንቅን ህያብን ሂቡ ኣሰናበቶ። 6 ስለዚ፡ ኤርምያስ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ናብ ሚጽጳ+ ኸደ፣ ምስኡ እውን ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ህዝቢ ተቐመጠ። 7 ኵሎም እቶም ኣብ መሮር ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊት ምስ ሰቦም ድማ፡ ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ኸም ዝሸሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ድኻታት እታ ምድሪ ናብ ባቢሎን ብምርኮ ዘይተወስዱ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ከኣ ከም ዝሸሞ ሰምዑ።+ 8 ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ ድማ መጹ።+ ንሳቶም ከኣ እስማኤል+ ወዲ ነታንያ፡ ዮሓናንን+ ዮናታንን ደቂ ቃሬሃ፡ ሰራያ ወዲ ታንሑመት፡ ደቂ ዔፋይ እቲ ነጦፋታዊ፡ የዘንያ+ ወዲ እቲ ማዓካታዊ፡ እዚኣቶም ምስ ሰቦም ነበሩ። 9 ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ድማ ንዓታቶምን ንሰቦምን ከምዚ ኢሉ መሓለሎም፦ “ንከለዳውያን ከይፈራህኩም ተገዝእዎም። ኣብዛ ምድሪ ተቐመጡ፣ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ፣ ጽቡቕ ድማ ኪዀነልኩም እዩ።+ 10 ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዚመጹ ከለዳውያን ክውክለኩምሲ፡* ኣብ ሚጽጳ ክቕመጥ እየ። ንስኻትኩም ግና ወይንን ፍረታት ሓጋይን ዘይትን ኣክቡ፣ ኣብ ኣቕሑኹም ድማ ኣንብርዎ እሞ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታት ተቐመጡ።”+ 11 ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ዓሞንን ኤዶምን ኣብ ኵለን ካልኦት ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፡ ንገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝሸሞ ሰምዑ። 12 ስለዚ፡ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ኵሉ እቲ ተበቲኖምሉ ዝነበሩ ቦታታት ተመልሱ፣ ናብ ምድሪ ይሁዳ፡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ ኸኣ መጹ። ኣዝዩ ብዙሕ ወይንን ፍረታት ሓጋይን ድማ ኣከቡ። 13 ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ኣብ መሮር ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ከኣ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ። 14 ንሳቶም ድማ፡ “ብዓሊስ ንጉስ ዓሞናውያን+ ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኪቐትለካ* ኢሉ ኸም ዝለኣኾዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧”+ በልዎ። ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ግና ኣይኣመኖምን። 15 ሽዑ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃ ንገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ብምስጢር፡ “ሓደ እኳ ኸይፈለጠ፡ ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኸይደ ክቐትሎ። ስለምንታይ ንሱ ዚቐትለካ፧* ስለምንታይከ ዅሉ እቲ ናባኻ እተኣከበ ህዝቢ ይሁዳ ፋሕ ዚብል፡ እቶም ተረፍ ይሁዳ እውን ዚጠፍኡ፧” በሎ። 16 ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም ግና ንዮሓናን ወዲ ቃሬሃ፡ “እቲ ብዛዕባ እስማኤል እትብሎ ዘለኻ ሓሶት እዩ እሞ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣይትግበሮ” በሎ። 16 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ሰበይቲ ኣይተእቱ፣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣይሃልዉኻ። 3 ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብዚኣ ዚውለዱ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ብዛዕባ እተን ዚወልዳኦም ኣዴታቶምን ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚወልድዎም ኣቦታቶምን የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ 4 ‘ብቐታሊ ሕማማት ኪሞቱ እዮም፣+ ሓደ እኳ ኣይኪሓዝነሎምን ወይ ኣይኪቐብሮምን እዩ፣ ኣብ ገጽ ምድሪ ደኣ ኸም ድዅዒ ኪዀኑ እዮም።+ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም፣+ ሬሳታቶም ከኣ ምግቢ ኣዕዋፍ ሰማያትን ኣራዊት ምድርን ኪኸውን እዩ።’ 5 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ናብ ቤት ሕዙናት ኣይትእቶ፣ዋይዋይ ክትብል ወይ ከተተሓዝን ኣይትኺድ።’+ ‘ኣነስ ካብዚ ህዝቢ እዚ ሰላመይ ወሲደ ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡‘ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይን ምሕረተይን እውን ከምኡ።+ 6 ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኺሞቱ እዮም። ኣይኪቕበሩን ከኣ እዮም፣ሓደ እኳ ኣይኪሓዝነሎምን፡ሓደ እኳ ገዛእ ርእሱ ኣይኪበጥሓሎምን ወይ ርእሱ ኣይኪመልጠሎምን እዩ።* 7 ነቶም ሰብ ዝሞቶም ኬጸናንዑ ኢሎም ድማ፡እንጌራ ሕዙናት ኣይኬምጽኡሎምን እዮም፣ኣቦኦም ወይ ኣዲኦም ንዝሞቶም ኬስትዮም ኢሉ ኸኣ፡ጽዋእ ምጽንናዕ ዚህቦም የልቦን። 8 ምሳታቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ድማ፡ናብ ቤት ድግስ ኣይትእቶ።’ 9 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ብመዓልትታትኩምን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምን፡ ንደሃይ ፍስሃን ታሕጓስን፡ ንድምጺ መርዓውን ንድምጺ መርዓትን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።’+ 10 “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ነዚ ህዝቢ እዚ ምስ ነገርካዮ፡ ‘የሆዋ ብዛዕባ ዅሉ እዚ ዓብዪ መዓት እዚ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና እንታይ ስሕተትን እንታይ ሓጢኣትን ጌርና፧’ ኢሎም ኪሓትቱኻ እዮም።+ 11 ከምዚ ኢልካ ኸኣ መልሰሎም፦ ‘“ከመይሲ፡ ኣቦታትኩም ሓዲጎምኒ እዮም”+ ይብል የሆዋ፡ “ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስዒቦምን ኣገልጊሎምዎምን ሰጊዶምሎምን እዮም።+ ንዓይ ግና ሓዲጎምኒ፣ ሕገይ እውን ኣይሓለዉን።+ 12 ንስኻትኩም ከኣ ካብ ኣቦታትኩም ገዲድኩም፣+ ነፍሲ ወከፍ እውን ንዓይ ኣብ ክንዲ ዚእዘዝ፡ ንንቕጽና እቲ እኩይ ልቡ እዩ ዚስዕብ።+ 13 ስለዚ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ናብ ዘይፈለጥኩምዋ ምድሪ ኽድርብየኩም እየ፣+ ሞገስ ኣይከርእየኩምን እየ እሞ፡ ኣብኡ መዓልትን ለይትን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉ ኢኹም።”’+ 14 “‘ግናኸ፡ ደጊም፡ “ከምቲ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ህያው ዝዀነ!”+ ዘይብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። 15 ‘የግዳስ፡ “ከምቲ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ሰሜንን ካብ ኵለን እተን እተበተኑለን ሃገራትን ዘውጽኦም የሆዋ ህያው ዝዀነ!” ዚብሃለለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፣ ኣነ ድማ ናብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዋ ምድሮም ክመልሶም እየ።’+ 16 ‘እንሆ፡ ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ እሰድድ ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡‘ንሳቶም ከኣ ኪገፍፍዎም እዮም። ድሕሪኡ፡ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፣ንሳቶም ድማ ኣብ ኵሉ ኸረንን ኣብ ኵሉ ዅርባንካብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኪሃድንዎም እዮም። 17 ኣዒንተይሲ ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብርዎ* እየን። ካብ ቅድመይ ኣይተሓብኡን፣ስሕተቶም እውን ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይተሓብአን። 18 ንምድረይ ህይወት ብዘይብሎም ምስልታት* እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም መሊኦምዋ፡ንርስተይ ከኣ ብፍንፉን ነገራት መሊኦምዋ እዮም እሞ፡+ቀዳማይ፡ ንስሕተቶምን ንሓጢኣቶምን ምሉእ ክፈድዮም እየ።’”+ 19 ኦ የሆዋ፡ ብርታዐይን ዕርደይን፡ብመዓልቲ ጭንቂ መህደምየይ፡+ኣህዛብ ካብ ወሰናት ምድሪ ናባኻ ኺመጹ፡“ኣቦታትና ፍጹም ሓሶት፡ከንቱነትን ዘይጠቅም ነገርን ወሪሶም” ድማ ኪብሉ እዮም።+ 20 ሰብዶ ንርእሱ ኣማልኽቲ ኺገብር ይኽእል እዩ፧ ንሳቶምሲ ብሓቂ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+ 21 “ስለዚ፡ ከፍልጦም እየ፣በዚ ግዜ እዚ ሓይለይን ብርታዐይን ከፍልጦም እየ፣ስመይ የሆዋ ምዃኑ ድማ ኪፈልጡ እዮም።” 51 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ንባቢሎንን ንነበርቲ ለብ-ቃማይን*ዜጥፍእ ንፋስ አተንስእ ኣለኹ።+ 2 ናብ ባቢሎን፡ ኣዝረውቲ ኽሰድድ እየ፣ንሳቶም ከኣ ኬዝርውዋን ንምድራ ጥራያ ኺገብርዋን እዮም፣ብመዓልቲ መዓት፡ ብዅሉ ሸነኽ ኣንጻራ ኺመጹ እዮም።+ 3 ቀስተኛ ቐስቱ ኣይገትር።* ሓደ እኳ ድርዒ ተኸዲኑ ኣይተንስእ። ንኣጕባዛ ኣይትራሕርሑሎም።+ ኵሉ ሰራዊታ ኣጥፍኡ። 4 ኣብ ምድሪ ከለዳውያን ከኣ ቅቱላት፡ኣብ ጐደናታታ እውን ውጉኣት ኪወድቁ እዮም።+ 5 እስራኤልን ይሁዳንሲ ብኣምላኾም፡ ብየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ መበለት ኣይኰኑን።+ ግናኸ፡ ምድሮም* ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ብበደል ዝመልአት እያ። 6 ግዜ ሕነ የሆዋ እዩ፣ከምቲ ዝገበረቶ ድማ ይፈድያ ኣሎ እሞ፡+ካብ ማእከል ባቢሎን ህደሙ፣ንህይወትኩም* ኢልኩም ኣምልጡ።+ ብሰሪ ስሕተታ ኣይትጥፍኡ። 7 ባቢሎን ኣብ ኢድ የሆዋ ጽዋእ ወርቂ እያ ነይራ፣ንዅላ ምድሪ ኣስኪራታ እያ። ካብ ወይና ኣህዛብ ሰኺሮም እዮም፣+ስለዚ እዮም ኣህዛብ እተጸለሉ።+ 8 ባቢሎን ብሃንደበት ወዲቓን ተሰባቢራን እያ።+ ዋይዋይ በሉላ!+ ምናልባት እንተ ሓወየትሲ፡ ንስቓያ በለሳን ኣምጽኡላ።” 9 “ንባቢሎን ከነሕውያ ፈቲንናስ፡ ኣይሓወየትን። ሕደግዋ፡ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ምድርና ንኺድ።+ ፍርዳስ ክሳብ ሰማያት በጺሑ እዩ፣ክሳብ ደበናታት ዝምልዓሉ እዩ።+ 10 የሆዋ ፍትሒ ኣውጺኡልና ኣሎ።+ ንዑ፡ ኣብ ጽዮን ግብሪ የሆዋ ኣምላኽና ነዘንቱ።”+ 11 “ፍላጻታት ስሓሉ፣+ ከበብቲ ዋላቱ ኣልዕሉ።* የሆዋ ንባቢሎን ኬዕንዋ ስለ ዝሓሰበ፡ንመንፈስ ነገስታት ሜዶን ኣለዓዒሉ ኣሎ።+ እዝስ ሕነ የሆዋ፡ ሕነ ቤተ መቕደሱ እዩ። 12 የሆዋ ስልቲ ምሂዙ፡እቲ ኣንጻር ነበርቲ ባቢሎን እተዛረቦ ኸኣ ኪፍጽሞ እዩ እሞ፡+ኣንጻር መካበብያ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ።+ ዘብዐኛታት ኣበርትዑ፡ ሓለውቲ ኣቝሙ። ኣድብዮም ንዘለዉ ኣዳልውዎም።” 13 “ኣቲ ምስ ብዙሕ መዛግብቲ+ኣብ ብዙሕ ማያት እትቕመጢ ሰበይቲ፡+መወዳእታኺ፡ ደረት* መኽሰብኪ መጺኡ።+ 14 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ ብርእሱ* ምሒሉ ኣሎ፦ ‘ከም ኣንበጣ ብዝምብዛሖም ሰባት ክመልኣኪ እየ፣ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሌኺ ብዓወት ኪጭድሩ እዮም።’+ 15 ንሱ ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ፡ብጥበቡ ንፍርያም ምድሪ ዝሰረታ፡+ብኣእምሮኡ ኸኣ ንሰማያት ዝዘርግሐ እዩ።+ 16 ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ኣብ ሰማያት ዘሎ ማያት ይናወጽ፣ካብ ወሰናት ምድሪ ድማ ደበናታት* የዕርግ። ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣ካብ ማዕከኑ እውን ንፋስ የውጽእ።+ 17 ኵሉ ሰብ ይዕሹን ፍልጠት ዘይብሉ ይኸውንን። ኵሉ ኣንጠረኛ ብሰሪ እቲ ጽሩብ ምስሊ ይሓፍር፣+እቲ ፍሱስ ምስሉስ ናይ ሓሶት እዩ፣መንፈስ* ከኣ የብሎምን።+ 18 ናይ ሓሶት*+ እዮም፣ ዕዮ ላግጺ እውን እዮም። መዓልቲ ምጽብጻቦም ምስ መጸት፡ ኪጠፍኡ እዮም። 19 ግደ ያእቆብ ከምዚኣቶም ኣይኰነን፣ንሱስ ንዅሉ ዝደኰነ እዩ፣በትሪ ርስቱ ኸኣ እዩ።*+ ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።”+ 20 “ንስኻ በትሪ ውግአይ፡ ኣጽዋር ውግአይ ኢኻ፣ከመይሲ፡ ብኣኻ ኣህዛብ ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ መንግስትታት ከዕኑ እየ። 21 ብኣኻ ፈረስን ተወጣሒኡን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ሰረገላን ተወጣሒኡን ክሕምሽሽ እየ። 22 ብኣኻ ሰብኣይን ሰበይትን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ኣረጊትን ቈልዓን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ጐበዝን ጐርዞን ክሕምሽሽ እየ። 23 ብኣኻ ጓሳን መጓሰኡን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ሓረስታይን ዝጸመዶም እንስሳታቱን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ሹማምንትን መኳንንትን ክሕምሽሽ እየ። 24 ንባቢሎንን ንዅሎም ነበርቲ ከለዳን፡ስለቲ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ኣብ ጽዮን ዝፈጸምዎ እከይ ክፈድዮም እየ”+ ይብል የሆዋ። 25 “ኣታ እተጥፍእ ከረን፡ ኣታ ንብዘላ ምድሪ እተጥፍእ፡+እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርካ እየ”+ ይብል የሆዋ። “ኣንጻርካ ኢደይ ክዝርግሕ፡ ካብ ኣኻውሕ ከኣ ከንከባልለካ፡ዝነደደ ኸረን እውን ክገብረካ እየ።” 26 “ንዘለኣለም ባድም ስለ እትኸውን፡+ካባኻስ እምኒ መኣዝን ወይ እምኒ መሰረት ዚወስድ የልቦን” ይብል የሆዋ። 27 “ኣብታ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ።+ ኣብ መንጎ ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ። ኣንጻራ ኣህዛብ ሽሙ።* ኣንጻራ መንግስትታት ኣራራትን+ ሚኒን ኣሽከናዝን+ ኣኽትቱ። ኣንጻራ ኣኽታቢ መዝዙ። ኣፍራስ ከም ጸጓራት ኣንበጣ ኣደይቡላ። 28 ኣንጻራ ኣህዛብን ነገስታት ሜዶንን፡+ሹማምንታን መኳንንታን፡ኵለን እተን ዚገዝእወን ሃገራትን ሽሙ።* 29 የሆዋ ንምድሪ ባቢሎን መሰክሕን ብዘይ ነባርን ኪገብራ ኢሉ+ኣንጻር ባቢሎን ዝሓሰቦ ሓሳብ ኪፍጸም እዩ እሞ፡ምድሪ ኸተንቀጥቅጥን ራዕራዕ ክትብልን እያ። 30 ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም ኣለዉ። ኣብ ዕርድታቶም ተቐሚጦም ኣለዉ። ሓይሎም ተወዲኡ እዩ።+ ከም ኣንስቲ ዀይኖም ኣለዉ።+ ኣባይታ ብሓዊ ነዲዱ እዩ። ተገዳማታ ተሰይሩ ኣሎ።+ 31 ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ሸነኽ ከም እተታሕዘት ኪነግርሲ፡+ሓደ መልእኽተኛ ነቲ ኻልእ መልእኽተኛ ኺረኽቦ፡ሓደ ልኡኽ ድማ ነቲ ኻልእ ልኡኽ ኪረኽቦ ይጐዪ ኣሎ። 32 መሳገሪታት ከም እተታሕዘ፡+ጃለቡ ጳጲሮስ ብሓዊ ኸም ዝነደዳ፡እቶም ተዋጋእቲ እውን ከም እተሸበሩ ኺነግርሲ ይጐዪ ኣሎ።” 33 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “ጓል ባቢሎን ከም ዓውዲ እያ። ኣመና እትርገጸሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ። ቍሩብ ጸኒሑ፡ ግዜ ቐውዒ ኺመጻ እዩ።” 34 “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን በሊዑኒ፣+ኣሸቢሩኒ። ከም ጥራዩ ኣቕሓ ገይሩኒ። ከም ዓብዪ ተመን ውሒጡኒ።+ ከብዱ ብጽቡቐይ መሊኡ። ጸሪጉኒ። 35 ‘እቲ ኣባይን ኣብ ሰብነተይን እተገብረ ዓመጻ፡ ኣብ ባቢሎን ይውረድ!’ ትብል ነባሪት ጽዮን።+ ‘ደመይ ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከለዳ ይውረድ’ ትብል የሩሳሌም።” 36 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ንጕዳይኪ እማጐተልኪ ኣለኹ፣+ሕነ ኸኣ ክፈድየልኪ እየ።+ ባሕራ ኸንጽፎ፡ ዒላታታ እውን ከንቅጾ እየ።+ 37 ንባቢሎን ድማ ኵምራ ኣእማንን+ሰፈር ወኻሩን*+መሰክሕን መፋጸይንብዘይ ነባርን ክገብራ እየ።+ 38 ሓቢሮም ከም ሽደናት ኣናብስ ኪጓዝሙ እዮም። ከም ኰራዅር ኣናብስ ሕኒን ኪብሉ እዮም።” 39 “ምስ ረሰኑ፡ ምእንቲ ኺፍስሁስ፡+ክድግሰሎምን ከስክሮምን እየ፣ሽዑ፡ ዘይነቕሑሉናይ ሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱ እዮም”+ ይብል የሆዋ። 40 “ከም ገንሸላትን* ከም ደዓውልን ከም ድቤላታትንናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።” 41 “ሼሻኽሲ* ኸመይ ኰን እያ እተማረኸት!+ እታ ውዳሰ ብዘላ ምድርስ ከመይ ኰን እያ እተታሕዘት!+ ባቢሎን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከመይ ኰን እያ መሰክሒ ዝዀነት! 42 ባሕሪ ናብ ልዕሊ ባቢሎን መጺኡ ኣሎ። ብብዝሒ ማዕበላቱ ተኸዲና ኣላ። 43 ከተማታታ መሰክሕን ማይ ዘይብለንን ምድረ በዳን ኰይነን ኣለዋ። ሰብ ዘይነብራን ወዲ ሰብ ዘይሓልፋን ምድሪ ዀይና ኣላ።+ 44 ቈላሕታይ ናብ ቤል+ ናብ ባቢሎን ክገብር፡ነቲ ዝወሓጦ ድማ ካብ ኣፉ ኸውጽኦ እየ።+ ድሕሪ ደጊም ኣህዛብ ናብኡ ኣይኪውሕዙን እዮም፣መካበብያ ባቢሎን እውን ኪወድቕ እዩ።+ 45 ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ ማእከላ ውጹ!+ ንህይወትኩም* ኢልኩም ካብቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ+ ኣምልጡ!+ 46 በቲ ኣብታ ምድሪ ዚስማዕ ወረ ኣይትጃጅዉ ወይ ኣይትፍርሁ። ብሓንቲ ዓመት ወረ ኺመጽእ፡በታ እትቕጽል ዓመት ከኣ ካልእ ወረ ኺመጽእ እዩ፣እወ፡ ኣብታ ምድሪ ናይ ዚህሉ ዓመጻን ኣንጻራ ናይ ዚመጽእ ገዛእን ወረ ኺውረ እዩ። 47 ስለዚ፡ እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብቲ ቕሩጽ ምስልታት ባቢሎን ዚገብረለንመዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ኵሉ ምድራ ኺሓፍር እዩ፣ኵሎም ቅቱላታ እውን ኣብ ማእከላ ኺወድቁ እዮም።+ 48 እቶም መጥፋእቲ ኻብ ሰሜን ኪመጽዋ እዮም እሞ፡+ሰማያትን ምድርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉንብባቢሎን እልል ኪብል እዩ”+ ይብል የሆዋ። 49 “ባቢሎን ንቕቱላት እስራኤል ጥራይ ኣይኰነትን ኣውዲቓ፣+የግዳስ፡ ኣብ ባቢሎን ቅቱላት ኵላ ምድሪ እውን ወዲቖም እዮም። 50 ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም፡ ኪዱ፡ ደው ኣይትበሉ!+ ንየሆዋ ኻብ ርሑቕ ዘክርዎ፣የሩሳሌም እውን ኣብ ልብኹም ትምጻእ።”+ 51 “ባጫ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ሓፊርና ኣለና። ጓኖት ኣንጻር መቕደስ ቤት የሆዋ መጺኦም እዮም እሞ፡+ውርደት ንገጽና ሸፊንዎ ኣሎ።” 52 “ስለዚ፡ እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብቲ ቕሩጽ ምስልታታ ዚገብረለንመዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ፡“ኣብ ብዘሎ ምድራ ኸኣ ቍሱላት ኪግዕሩ እዮም።”+ 53 “ባቢሎን ክሳብ ሰማያት እኳ እንተ ደየበት፡+ነቲ ነዋሕቲ ዕርድታታ እኳ እንተ ኣጽንዐት፡መጥፋእታ ኻባይ ኪመጹ እዮም”+ ይብል የሆዋ። 54 “ስምዑ! ካብ ባቢሎን ኣውያት፡+ካብ ምድሪ ከለዳውያን ከኣ ደሃይ ብርቱዕ ጥፍኣት ይስማዕ ኣሎ፣+ 55 የሆዋስ ንባቢሎን የጥፍኣ ኣሎ፣ነቲ ብርቱዕ ድምጻ ድማ ስቕ ኬብሎ እዩ፣ማዕበሎም ከኣ ከም ብዙሕ ማያት ኪሃምም እዩ። ደሃይ ድምጾም እውን ኪስማዕ እዩ። 56 እቲ መጥፍእስ ናብ ባቢሎን ኪመጽእ እዩ፣+ጀጋኑኣ ኺትሓዙ እዮም፣+ቀስትታቶም ኪሰባበር እዩ። የሆዋስ ኣምላኽ ፍዳ እዩ፣+ብርግጽ እውን ኪፈዲ እዩ።+ 57 ኣነ ኸኣ ንመሳፍንታን ንጥበበኛታታንንሹማምንታን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን ከስክሮም እየ፣+ዘይነቕሑሉ ናይ ሓዋሩ ድቃስ ድማ ኪድቅሱ እዮም”+ይብል እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ። 58 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “መካበብያ ባቢሎን ገፊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ጠሪሱ ኺፈርስ እዩ፣+ኣፍ ደገታታ ኸኣ ነዊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ብኸንቱ ኺጽዕሩ፡ኣህዛብ ድማ ሓዊ ንዚበልዖ ኺደኽሙ እዮም።”+ 59 ነብዪ ኤርምያስ ንሰራያ ወዲ ኔርያ+ ወዲ ማህሰያ፡ ምስ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንግስናኡ ናብ ባቢሎን ምስ ከደ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፣ ሰራያ ኸኣ ሓላፊ ዕጥቅን ስንቅን ነበረ። 60 ኤርምያስ ድማ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዚወርድ መዓት፡ ኵለን እተን ኣንጻር ባቢሎን እተጻሕፋ ቓላት፡ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ጸሓፈን። 61 ኤርምያስ ከኣ ንሰራያ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ባቢሎን ምስ በጻሕካን ምስ ረኣኻያን፡ ንዅለን እዘን ቃላት እዚአን ዓው ኢልካ ኣንብበን። 62 ድሕሪኡ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኸም እትጠፍእን ሰብ ኰነ እንስሳ ኸም ዘይነብራን ንዘለኣለም ከም እትባድምን ብዛዕባኣ ተዛሪብካ ኢኻ’ በል።+ 63 ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካ፡ እምኒ እሰረላ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኤፍራጥስ ደርብያ። 64 ሽዑ፡ ‘ባቢሎን ብሰሪ እቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት፡ ከምዚ ኢላ ኽትጥሕል፡ መሊሳ እውን ከቶ ኣይክትትንስእን እያ፣+ ኪደኽሙ ድማ እዮም’ በል።”+ ክሳብ እዚ፡ ቃላት ኤርምያስ እዩ። 6 መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን የንጸላሉ ኣሎ እሞ፡+ኣቱም ደቂ ብንያም፡ ካብ የሩሳሌም ርሒቕኩም ተዓቘቡ። ኣብ ተቆዓ+ መለኸት ንፍሑ፣+ኣብ ልዕሊ ቤት-ሃካሬም ምልክት ሓዊ ወልዑ! 2 ጓል ጽዮን ከም ሓንቲ ጽብቕትን ተነቃፊትን ትመስል።+ 3 ጓሶትን መጓሰታቶምን ኪመጹ እዮም። ነፍሲ ወከፎም ንመጓሰኦም እናኣብልዑ፡+ኣብ ዙርያኣ ድንኳናቶም ኪተኽሉ እዮም።+ 4 “ክትዋግእዋ ተዳለዉ!* ተንስኡ እሞ ብቐትሪ ነጥቅዓያ!” “መዓልቲ ይመሲ፡ጽላሎት ምሸት ድማ ይነውሕ ኣሎ እሞ፡ ወይለና!” 5 “ተንስኡ እሞ ብለይቲ ነጥቅዓያ፣እተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ነፍርስ።”+ 6 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ዕንጨይቲ ቝረጹ፡ ንየሩሳሌም ዕርዲ ኸበባ ዀምሩላ።+ ተሓታቲት ክትከውን ዘለዋ ኸተማ እያ፣ኣብ ውሽጣ ብዘይካ ጭቈና ኻልእ የልቦን።+ 7 ከምቲ መዕቘር ማይ ንማዩ ብዝሑሉ* ዜጽንሖ፡ከምኡ ድማ ንሳ ንእከያ ብዝሑሉ* ተጽንሖ። ዓመጻን ጥፍኣትን ኣብኣ ይስማዕ ኣሎ፣+ሕማምን መዓትን ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኣሎ። 8 ኣቲ የሩሳሌም፡ መጠንቀቕታ ስምዒ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ፈንፊነኪ ኻባኺ ኽምለስ እየ፣*+ከባድመኪ፡ ነበርቲ ዘይብላ ምድሪ እውን ክገብረኪ እየ።”+ 9 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣብ ተኽሊ ወይኒ ንዝተረፈ ናይ መወዳእታ ፍረ ወይኒ ዚገብርዎ፡ ንተረፍ እስራኤል ጠሪሶም ኪቕርምዎ እዮም። ከምቲ ኻብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ወይኒ ዚኣሪ፡ ኢድካ መሊስካ ዘርግሕ።” 10 “ንመን ክዛረብን ከጠንቅቕን እየ፧ መንከ ኺሰምዕ እዩ፧ እንሆ፡ ኣእዛኖም ከየቕልባስ ተዓጽየን እየን።*+ እንሆ፡ ቃል የሆዋ ንዑቕ ኰይንዎም ኣሎ፣+ብእኡ እውን ባህ ኣይብሎምን እዩ። 11 ስለዚ፡ ብነድሪ የሆዋ መሊአ ኣለኹ፣ምሓዙ ድማ ኣድኪሙኒ ኣሎ።”+ “ኣብ ጐደና ኣብ ዘሎ ቘልዓ፡+ብሓባር ኣብ እተኣከቡ ኣጕባዝ ክዓዎ። ኵላቶም፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ፡ኣረገውቲ ምስቶም ዕድሚኦም ዘእከሉ* ኺትሓዙ እዮም።+ 12 ኣነ ኣንጻር ነበርቲ እታ ምድሪ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፡ኣባይቶምን ግራውቶምን ኣንስቶምንንኻልኦት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ”+ ይብል የሆዋ። 13 “ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘይግቡእ ረብሓ ይረክብ፣+ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን፡ ነፍሲ ወከፍ ይዕምጽ።+ 14 ሰላም ዘየልቦስ፡‘ሰላም ኣሎ! ሰላም ኣሎ!’ እናበሉ+ንመስበርቲ ህዝበይ ብቐሊሉ* ኼሕውዩ ይፍትኑ። 15 በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገር ይሓፍሩ ድዮም፧ ከቶ ኣይሓፍሩን እዮም! ውርደት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም!+ ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝወደቑ፡ ኪወድቁ እዮም። ምስ ቀጻዕክዎም፡ ኪዕንቀፉ እዮም” ይብል የሆዋ። 16 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መስቀላዊ መገድታት ደው ኢልኩም ርኣዩ። ብዛዕባ እቲ ጥንታዊ መገድታት ሕተቱ፣እታ ጽብቕቲ መገዲ ኣበይ ከም ዘላ ሕተቱ እሞ ብእኣ ተመላለሱ፣+ንርእስኹም* ድማ ዕረፍቲ ርኸቡ።” ንሳቶም ግና፡ “ብእኣ ኣይንመላለስን ኢና” ይብሉ።+ 17 “ኣነ ድማ፡ ‘ናብ ደሃይ መለኸት ኣቕልቡ!’+ ዚብል ሓላዊ ሸምኩ።”+ ንሳቶም ግና፡ “ኣይነቕልብን ኢና” በሉ።+ 18 “ስለዚ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ስምዑ! ኣቱም ኣኼባ፡እንታይ ከም ዚዀኑ ፍለጡ። 19 ኣቲ ምድሪ፡ ስምዒ! ንሳቶም ናብ ቃላተይ ኣየቕለቡን፡ንሕገይ* ድማ ነጺጎምዎ እዮም እሞ፡ከም ፍረ ሓሳቦም፡ኣብዚ ህዝቢ እዚ መዓት አምጽእ ኣለኹ።”+ 20 “ጻዕዳ ዕጣን ካብ ሳባ፡ጥዑም ቃንጫ* ኸኣ ካብ ርሑቕ ሃገር ምምጻእኪዶ የገድሰኒ እዩ፧ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹም ኣይቅቡልን እዩ፣መስዋእቲ ሕሩድኩም ባህ ኣየብለንን እዩ።”+ 21 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ መዐንቀፊ አንብረሉ ኣለኹ፣ብእኡ ድማ ኣቦታትን ደቅን፡ጐረቤትን ብጻይን፡ሓቢሮም ኪዕንቀፉንኵላቶም ኪጠፍኡን እዮም።”+ 22 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ምድሪ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ፣ዓብዪ ህዝቢ ኸኣ ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኺነቅሕ እዩ።+ 23 ቀስትን መዝረቕን ይሕዙ። ጨካናትን ምሕረት ዘይብሎምን እዮም። ድምጾም ከም ባሕሪ ይሃምም። ኣብ ኣፍራስ ድማ ይውጥሑ።+ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ከም ተዋጋኢ ሰብኣይ ኣንጻርኪ ይስለፉ።” 24 ብዛዕባኡ ወረ ሰሚዕና ኢና። ኣእዳውና ለሚሰን ኣለዋ፣+ጭንቂ ሒዙና፡ከም እትወልድ ሰበይቲ ቕልውላው ሒዙና ኣሎ።+ 25 ጸላእስ ሰይፊ ኣለዎ፡ሽበራ ድማ ኣብ ዙርያ ኣሎ እሞ፡ናብ መሮር ኣይትውጽኢ፡ብመገዲ ኸኣ ኣይትኺዲ። 26 ኣቲ ጓል ህዝበይ፡ማቕ ተኸደኒ፡+ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ጠንቀላዕላዕ በሊ። እቲ መጥፍኢ ብሃንደበት ኪመጸኪ እዩ እሞ፡+ከም ንሓደ ወዳ ጌርኪ ብመሪር ዋይዋይታ ሕዘኒ፣+ 27 “ኣብ መንጎ ህዝበይ መርማሪ ብረት፡ኣጸቢቑ ዚፍትሽ ፈታሺ ገይረካ ኣለኹ፣*መገዶም ከኣ ፍለጥን መርምርን። 28 ኵላቶም ነቓጻት፡+እናዞሩ ዚሓምዩ እዮም።+ ከም ነሓስን ሓጺንን እዮም፣ኵላቶም ብልሹዋት እዮም። 29 መናፍሕ ሓሪሩ ኣሎ። ካብ ሓዎም ዓረር ወጺኡ። ብኸንቱ ንምጽራይ ኣበርቲዕካ ተጻዒሩ፣+እቶም ክፉኣት ከኣ ኣይተፈልዩን።+ 30 የሆዋ ደርብይዎም እዩ እሞ፡+ድርባይ ብሩር ኢሎም ብርግጽ ኪጽውዕዎም እዮም።” 25 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ማለት ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን፡ ብዛዕባ ዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ። 2 ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ ዅሎም* ህዝቢ ይሁዳን ብዛዕባ ዅሎም ነበርቲ የሩሳሌምን እተዛረቦ እዚ እዩ፦ 3 “ካብ መበል 13 ዓመት ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ በዘን 23 ዓመት፡ ቃል የሆዋ መጺኡኒ፣ ኣነ እውን ደጋጊመ* ተዛሪበኩም፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን።+ 4 የሆዋ ድማ ንዅሎም ገላዉኡ ነብያት ናባኻትኩም ልኢኽዎም፣ እወ፡ ደጋጊሙ* ልኢኹልኩም፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን፡ እዝንኹም እውን ኣየድነንኩምን።+ 5 ንሳቶም ከኣ ከምዚ ይብልኹም ነይሮም፦ ‘በጃኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ እኩይ መገድታትኩምን ካብ እኩይ ግብርታትኩምን ተመለሱ፣+ ሽዑ፡ ኣብታ የሆዋ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ቀደም ዝሃበኩም ምድሪ፡ ንነዊሕ ግዜ ኽትቅመጡ ኢኹም። 6 ብግብሪ ኣእዳውኩም ከይተዀርዩኒ፡ ኣነ ድማ መዓት ከየምጽኣልኩምሲ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዓቡ፡ ኣይተገልግልዎም፡ ኣይትስገዱሎም እውን።’ 7 “‘ግናኸ፡ ንመዓትኩም ደኣ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣዀሪኹምኒ እምበር፡ ኣይሰማዕኩምንን’ ይብል የሆዋ።+ 8 “ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘“ቃላተይ ስለ ዘይተኣዘዝኩም፡ 9 ንዅሎም ዓሌታት ሰሜን እልእከሎም ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ፡ “ንጊልያይ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እውን እልእከሉ ኣለኹ፣+ ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣን+ ኣንጻር ነበርታን ኣንጻር ኵሎም እዞም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብን ከኣ ከምጽኦም እየ።+ ከጥፍኦም እየ፣ መሰክሕን መፋጸይን ናይ ሓዋሩ ዑናን ክገብሮም እየ። 10 ካባታቶም ከኣ ንደሃይ ፍስሃን ንደሃይ ታሕጓስን፡ ንድምጺ መርዓውን ንድምጺ መርዓትን፡ ንደሃይ መጥሓንን ንብርሃን ቀንዴልን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።+ 11 ኵላ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክትዓኑን መሰክሒ ኽትከውንን እያ፣ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ከኣ ንንጉስ ባቢሎን 70 ዓመት ኪግዝእዎ እዮም።”’+ 12 “‘ግናኸ፡ እተን 70 ዓመት ምስ ተፈጸማ፡+ ንንጉስ ባቢሎንን ነቲ ህዝቢ እትን ብስሕተቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም* እየ’+ ይብል የሆዋ፡ ‘ንምድሪ ከለዳውያን ድማ ንሓዋሩ ባድም ክገብራ እየ።+ 13 ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኸኣ ኵሉ እቲ ኣንጻራ እተዛረብክዎ፡ ኵሉ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኤርምያስ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ እተነበዮ ቓላተይ ከምጽእ እየ። 14 ንዓታቶምሲ ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን+ ባሮት ኪገብርዎም እዮም፣+ ከም ተግባራቶምን ከም ግብሪ ኣእዳዎምን ከኣ ክፈድዮም እየ።’”+ 15 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ኸምዚ በለኒ፦ “ነዛ ጽዋእ ወይኒ ነድሪ ኻብ ኢደይ ውሰድ፣ ንዅሎም እቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብ ድማ ኣስትዮም። 16 ንሳቶም ከኣ ኪሰትዩን ሰንከልከል ኪብሉን ብሰሪ እቲ ኣነ ኣብ መንጎኦም ዝሰድዶ ሰይፊ ዓበድበድ ኪብሉን እዮም።”+ 17 ስለዚ፡ ነታ ጽዋእ ካብ ኢድ የሆዋ ወሲደ፡ ንዅሎም እቶም የሆዋ ናባታቶም ዝለኣኸኒ ኣህዛብ ኣስተኽዎም፣+ 18 ከምቲ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ምእንቲ ኺዓንዋን መሰክሕን መፋጸይን መራገምን+ ምእንቲ ኪዀናን፡ ብየሩሳሌምን ብኸተማታት ይሁዳን፡+ ብነገስታታን ብመሳፍንታን ጀመርኩ፣ 19 ድሕሪኡ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንገላዉኡን ንመሳፍንቱን ንዅሎም ህዝቡን+ 20 ንዅሎም እቶም ምሳታቶም ዚነብሩ ሕውስዋስ ህዝብን፡ ንዅሎም ነገስታት ዑጽ፡ ንዅሎም ነገስታት ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን+ ኣሽቀሎንን+ ጋዛን ዔቅሮንን ተረፍ ኣሽዶድን፡ 21 ንኤዶምን+ ንሞኣብን+ ንዓሞናውያንን፡+ 22 ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ንዅሎም ነገስታት ሲዶንን+ ንዅሎም ነገስታት ደሴት ባሕርን፡ 23 ንዴዳንን+ ንቴማን ንቡዝን ንዅሎም እቶም ጸጕሪ ጕንዲ እዝኖም ዚቘርጹን፡+ 24 ንዅሎም ነገስታት ኣዕራብን+ ንዅሎም ነገስታት እቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ ሕውስዋስ ህዝብን፡ 25 ንዅሎም ነገስታት ዚምሪን ንዅሎም ነገስታት ዔላምን+ ንዅሎም ነገስታት ሜዶንን፡+ 26 ንዅሎም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ነገስታት ሰሜን በብሓደን ንዅለን ኣብ ገጽ ምድሪ ዘለዋ ኻልኦት መንግስትታት ምድርን ኣስተኽዎም፣ ንጉስ ሼሻኽ*+ ድማ ድሕሪኦም ኪሰቲ እዩ። 27 “ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መንጎኹም ዝሰድዶ ሰይፊ ኸይትትንስኡስ፡+ ስተዩ፡ ስኸሩ፡ ትፍኡ፡ ውደቑ” ይብል ኣሎ።’ 28 ነታ ጽዋእ ንምስታይ ካብ ኢድካ ምውሳድ እንተ ኣብዮም ድማ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ክትሰትይዋ ኢኹም! 29 እንሆ፡ ፈለማ ኣብታ ስመይ ዚጽውዓላ+ ኸተማ መዓት ካብ ኣምጻእኩስ፡ ከይተቐጻዕኩምዶ ኽትተርፉ ኢኹም፧”’+ “‘ኣንጻር ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ሰይፊ እጽውዕ ኣለኹ እሞ፡ ከይተቐጻዕኩም ኣይክትተርፉን ኢኹም’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 30 “ኵሉ እዚ ቓላት እዚ ኸኣ ክትንበየሎምን ከምዚ ኽትብሎምን ኢኻ፦ ‘የሆዋ ኻብ ላዕሊ ኺጓዝም፡ካብቲ ቕዱስ ማሕደሩ ድማ ድምጹ ኼስምዕ እዩ። ኣንጻር እታ መንበሪቱ ዓው ኢሉ ኺጓዝም እዩ። ከምቶም ንመጽመቝ ወይኒ ዚረግጽዎ ኸኣ ኪጭድር፡ኣንጻር ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ብዓወት ኪዝምር እዩ።’ 31 ‘የሆዋ ምስ ኣህዛብ ነገር ኣለዎ እሞ፡ክሳብ ወሰናት ምድሪ ጫውጫውታ ኺስማዕ እዩ። ንዅሉ ሰብ* ባዕሉ ኺፈርዶ እዩ።+ ንእኩያት ድማ ንሰይፊ ኺምጥዎም እዩ’ ይብል የሆዋ። 32 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ የስፋሕፍሕ ኣሎ፣+ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኺፍኖ እዩ።+ 33 “‘እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ብየሆዋ እተቐትሉ ድማ፡ ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ኪዀኑ እዮም። ኣይኪሕዘነሎምን እዩ፣ ኣይኪእከቡን ወይ ኣይኪቕበሩን እውን እዮም። ኣብ ገጽ ምድሪ ኸም ድዅዒ ኪዀኑ እዮም።’ 34 ኣቱም ጓሶት፡ ዋይዋይ በሉ፡ ኣእውዩ! ኣቱም ዓበይቲ እተን መጓሰ፡ግዜ ምሕራድኩምን ፋሕ ምባልኩምን መጺኡ እዩ፡ከም ክቡር ኣቕሓ ድማ ክትወድቁ ኢኹም እሞ፡ ኣንገርግሩ! 35 እቶም ጓሶት ዚሃድሙሉ ቦታ የብሎምን፣እቶም ዓበይቲ መጓሰ ኸኣ ኣይኬምልጡን እዮም። 36 ስምዑ! የሆዋ ንመጓሰዪኦም የጥፍኦ ኣሎ እሞ፡ኣውያት ጓሶትንዋይዋይታ ዓበይቲ መጓሰን ይስማዕ ኣሎ። 37 ብሰሪ ነዳዲ ቝጥዓ የሆዋ ድማ፡እቲ ሰላማዊ መንበሪታት፡ ህይወት ኣልቦ ዀይኑ ኣሎ። 38 ከም ሽደን ኣንበሳ ኻብ ሰፈሩ ወጺኡ እዩ፣+ብሰሪ ጨካን ሰይፍንብሰሪ ነዳዲ ቝጥዓኡንሲምድሮም መሰክሒ ዀይና ኣላ።” 33 ኤርምያስ ገና ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኻልኣይ ሳዕ መጾ፦+ 2 “እቲ ንምድሪ ዝገበራ የሆዋ፡ እቲ ዝደኰናን ብጽኑዕ ዝሰረታን የሆዋ፡ እቲ የሆዋ ዝስሙ ኸምዚ ይብል፦ 3 ‘ጸውዓኒ እሞ ኽምልሰልካ፡ ዘይትፈልጦ ዓብይን ምርዳኡ ዘይከኣልን ነገር ድማ ብቐሊሉ ኽነግረካ እየ።’”+ 4 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ብዛዕባ እቲ ብሰሪ ዕርዲ ኸበባን ብሰሪ ሰይፍን ዚፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፡+ 5 ብዛዕባ እቶም ምስ ከለዳውያን ኪዋግኡ ዚመጹን ነዚ ቦታታት እዚ ብሬሳታት እቶም ብቝጥዓይን ብነድረይን ዝቐተልክዎም ዚመልእዎን ብሰሪ እከዮም ገጸይ ካብዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ዝሓብእ ዝገበሩንን ከምዚ ይብል፦ 6 ‘እንሆ፡ ክፍውሳን ከጥዕያን እየ።+ ከሕውዮም፡ ብዙሕ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።+ 7 ንምሩኻት ይሁዳን ንምሩኻት እስራኤልን ከኣ ክመልስ እየ፣+ ከም ኣብ መጀመርታ ድማ ክሃንጾም እየ።+ 8 ካብ ኵሉ እቲ ዝበደሉኒ በደል ከንጽሆም፡+ ኵሉ እቲ ዝበደሉኒ በደልን ኣበሳኦምን ከኣ ይቕረ ኽብል እየ።+ 9 ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ነቲ ኣነ ዝሃብክዎም ኵሉ ጽቡቕ ዝሰምዑ ኣህዛብ ምድሪ፡ ስም ፍስሃን ውዳሰን ጽባቐን ክትኰነኒ እያ።+ ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት እቲ ዝህባ ዅሉ ጽቡቕን ሰላምን፡+ ኪርዕዱን ራዕራዕ ኪብሉን እዮም።’”+ 10 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብዛ ሰብን ማልን ዘይብላ ባድም እትብላ ቦታ እዚኣ፡ ኣብተን ሰብን ነባርን ማልን ዘይብለን እትብለን ዝባደማ ኸተማታት ይሁዳን ጐደናታት የሩሳሌምን፡ ከም ብሓድሽ ደሃይ ኪስማዕ እዩ፣ 11 እወ፡ ደሃይ ፍስሃን ደሃይ ታሕጓስን፡+ ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን፡ ድምጺ እቶም፡ “የሆዋ ሕያዋይ* እዩ፣+ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣመስግንዎ!” ዚብሉን ኪስማዕ እዩ።’ “‘ንምሩኻት እዛ ምድሪ፡ ከም ኣብ መጀመርታ ኽመልሶም እየ እሞ፡ መስዋእቲ ምስጋና ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ እዮም’+ ይብል የሆዋ።” 12 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብዛ ሰብን ማልን ዘይብላ ባድም እዚኣን ኣብ ኵለን ከተማታታን፡ ከም ብሓድሽ ጓሶት ንመጓሰታቶም ዜዕርፉሉ መጓሰዪ ኺህሉ እዩ።’+ 13 “‘ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ቈላን ኣብ ከተማታት ደቡብን ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን+ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፡+ መጓሰ ብትሕቲ ኢድ እቲ ዚቘጽረን ኪሓልፋ እየን’ ይብል የሆዋ።” 14 “‘እንሆ፡ ነቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ዝኣቶኽዎ ጽቡቕ ቃል ዝፍጽመለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ።+ 15 ‘በተን መዓልትታት እቲአንን በቲ ግዜ እትን፡ ንዳዊት ጻድቕ ብቋል* ከብቍለሉ እየ፣+ ንሱ እውን ኣብታ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ኪገብር እዩ።+ 16 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ይሁዳ ኺድሕን እዩ፡+ የሩሳሌም ከኣ ብደሓን ክትነብር እያ።+ ከምዚ ተባሂላ ድማ ክትጽዋዕ እያ፦ የሆዋ ጽድቅና እዩ።’”+ 17 “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ካብ ዳዊት ኣብ ዝፋን ቤት እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ፣+ 18 ካብ ሌዋውያን ካህናት እውን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርብን መስዋእቲ እኽሊ ኼትክኽን መስዋእቲ ሕሩድ ኬቕርብን ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ሰብ ኣይኬቋርጽን እዩ።’” 19 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 20 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘መዓልትን ለይትን በብግቡእ ግዜኡ ኸይከውን ንምዕጋት፡ ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳነይ ከተፍርሱ እንተ ትኽእሉ ኔርኩም፡+ 21 ሽዑ፡ ኣብ ዝፋን ኰይኑ ዚነግስ ውሉድ ከይህልዎስ+ እቲ ምስ ጊልያይ ዳዊት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ምፈረሰ፣+ እቲ ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ እውን ከምኡ ምፈረሰ።+ 22 ከምቲ ሰራዊት ሰማያት ዘይቍጸር፡ ሑጻ ባሕሪ ኸኣ ዘይስፈር፡ ከምኡ ድማ ንዘርኢ ጊልያይ ዳዊትን ንዜገልግሉኒ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።’” 23 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 24 “እዞም ህዝቢ እዚኦምሲ፡ ‘የሆዋ ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ዓሌት ኪድርብዮም እዩ’ ይብሉ ኸም ዘለዉዶ ኣስተብሂልካ፧ ንህዝበይ ከኣ ይንዕቕዎ ኣለዉ፣ ከም ህዝቢ ገይሮም እውን ኣይርእይዎን ኣለዉ። 25 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ንመዓልትን ንለይትን ዚምልከት ኪዳነይ፡+ ሕግታት ሰማይን ምድርን፡ ብርግጽ ዘቘምኩ፡+ 26 ከምኡ ድማ ካብ ዘርኡ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዚገዝኡ ኸይወስድ ኢለ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ንጊልያይ ዳዊትን ከቶ ኣይክድርብዮን እየ። ንምሩኻቶምሲ ኽመልሶምን+ ክድንግጸሎምን እየ።’”+ 10 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ የሆዋ ኣንጻርኩም እተዛረቦ ቓል ስምዑ። 2 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “መገዲ ኣህዛብ ኣይትምሃሩ፣+ኣህዛብ ብእኡ ይርዕዱ እዮም እሞ፡ብምልክታት ሰማያት እውን ኣይትርዓዱ።+ 3 ልምድታት ህዝብታትሲ ናይ ሓሶት* እዩ። ካብ ዱር እተቘርጸ እሞ፡ብኣእዳው ኢደ ጥበበኛ ብንዋቱ* እተሰርሐ ኦም ጥራይ እዩ።+ 4 ብብሩርን ብወርቅን ይስልምዎ፣+ከይወድቕ ከኣ ብሞደሻን ብመሳምርን የጽንዕዎ።+ 5 ኣብ ግራት ኣጕርሲ ኸም ዘሎ መሰንበድ ጭሩ፡ ኪዛረቡ ኣይክእሉን እዮም፣+ኪኸዱ ኣይክእሉን እዮም እሞ፡ ኪጽወሩ ኣለዎም።+ ኪጐድኡ ኣይክእሉን እዮም እሞ፡ ኣይትፍርህዎም፣ጽቡቕ ኪገብሩ እውን ኣይክእሉን እዮም።”+ 6 ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን።+ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ እውን ዓብይን ሓያልን እዩ። 7 ኦ ንጉስ ኣህዛብ፡+ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ካብ ኵሎም ጥበበኛታት ኣህዛብን ካብ ኵለን መንግስትታቶምንሲ፡ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን።+ 8 ኵላቶም ዘይሓስቡን ዓያሹን እዮም።+ ካብ ኦም ዚውሃብ ትምህርትስ ፍጹም ናይ ሓሶት* እዩ።+ 9 ስራሕ ኢደ ጥበበኛ ዝዀነን ብኣእዳው ኣንጠረኛ እተገብረንተቐጥቂጡ ዝረቐቐ ብሩር ካብ ተርሲስ፡+ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፋዝ የምጽኡ። ክዳውንቶም ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን እዩ። ኵላቶም ብኽኢላታት ሰራሕተኛታት እተገብሩ እዮም። 10 ግናኸ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ። ንሱ ህያው ኣምላኽን+ ናይ ዘለኣለም ንጉስን+ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ኸተንቀጥቅጥ እያ፣+ካብ ኣህዛብ እውን ንዅነኔኡ ኺጻወር ዚኽእል የልቦን። 11 * ከምዚ ድማ በልዎም፦ “እዞም ሰማያትን ምድርን ዘይገበሩ ኣማልኽቲካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማያትን ኪጠፍኡ እዮም።”+ 12 ንሱ ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ፡ብጥበቡ ንፍርያም ምድሪ ዝሰረታ፡+ብኣእምሮኡ ኸኣ ንሰማያት ዝዘርግሐ እዩ።+ 13 ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ኣብ ሰማያት ዘሎ ማያት ይናወጽ፣+ካብ ወሰናት ምድሪ ድማ ደበናታት* የዕርግ።+ ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣ካብ ማዕከኑ እውን ንፋስ የውጽእ።+ 14 ኵሉ ሰብ ይዕሹን ፍልጠት ዘይብሉ ይኸውንን። ኵሉ ኣንጠረኛ ብሰሪ እቲ ጽሩብ ምስሊ ይሓፍር፣+እቲ ፍሱስ ምስሉስ ናይ ሓሶት እዩ፣መንፈስ* ከኣ የብሎምን።+ 15 ናይ ሓሶት* እዮም፣ ዕዮ ላግጺ እውን እዮም።+ መዓልቲ ምጽብጻቦም ምስ መጸት፡ ኪጠፍኡ እዮም። 16 ግደ ያእቆብ ከምዚኣቶም ኣይኰነን፣ንሱስ ንዅሉ ዝደኰነ እዩ፣እስራኤል ከኣ በትሪ ርስቱ እዩ።+ ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።+ 17 ኣቲ ኣብ ትሕቲ ኸበባ እትቕመጢ፡ኣቕሑኺ ኻብ ምድሪ ኣክቢ። 18 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ በዚ ግዜ እዚ ነዞም ነበርቲ ኻብዛ ምድሪ እድርብዮም* ኣለኹ፣+ከጨንቖም እውን እየ።” 19 ብሰሪ መስበርተይሲ ወይለይ!+ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ። ኣነ ኸኣ ከምዚ በልኩ፦ “እዝስ ብርግጽ ሕማመይ እዩ፡ ክጾሮ ድማ እየ። 20 ድንኳነይ ዓንያ፡ ኣግማድ ድንኳነይ ከኣ ተበቲኹ።+ ደቀይ ሓዲጎምኒ፡ የለዉን እውን።+ ድንኳነይ ዚግትር ወይ ዓለባታት ድንኳነይ ዜልዕል ሓደ እኳ የልቦን። 21 ጓሶትሲ ዓሽዮም፣+ንየሆዋ ድማ ኣይሓተትዎን።+ ስለዚ፡ ብልቦና ኣይተመላለሱን፣ኵለን መጓሰታቶም ከኣ ፋሕ ኢለን ኣለዋ።”+ 22 ስማዕ! ወረ ይመጽእ ኣሎ! ንኸተማታት ይሁዳ ኼባድመንን ሰፈር ወኻሩ* ኺገብረንን+ካብ ምድሪ ሰሜን ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ይመጽእ ኣሎ።+ 23 ኦ የሆዋ፡ መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።+ 24 ኦ የሆዋ፡ ብፍርዲ ኣርመኒ፣ከይተጥፍኣኒ ግና ብቝጥዓኻ ኣይኹን።+ 25 ነድርኻ ኣብቶም ዕሽሽ ዚብሉኻ ኣህዛብ፡+ኣብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌታት ክዖ። ንሳቶምሲ ንያእቆብ ውሒጦምዎ፡+እወ፡ ክሳዕ ዚጸንት ውሒጦምዎ፣+ንዓዱ እውን ኣባዲሞምዋ።+ 14 እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦+ 2 ይሁዳ ትሓዝን ኣላ፣+ ኣፍ ደገታታ ድማ ጸምልዮም ኣለዉ። ጕህዮም ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኣለዉ፣ካብ የሩሳሌም ከኣ ኣውያት ይወጽእ ኣሎ። 3 ጐይተታ ንገላዉኦም* ማይ ኬምጽኡ ይልእኽዎም። ናብ ጐዳጕዲ ማይ* ከይዶም፡ ማይ ኣይረኽቡን። ንኣቕሑኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ኸኣ ይምለሱ። ሓፊሮምን ሓኒኾምን ኣለዉ፣ርእሶም ከኣ ይጕልብቡ ኣለዉ። 4 ኣብታ ምድሪ ዝናም የልቦን እሞ፡+እታ መሬት ስለ ዝነቓቕዐት፡ሓረስቶት ተዳሂሎምን ርእሶም ተጐልቢቦምን ኣለዉ። 5 ሳዕሪ ስለ ዘየልቦ፡እራብ መሮር እኳ ንማሕስኣ ትሓድግ። 6 ኣእዱግ በረኻ ኣብ መላጥ ኵርባታት ደው ይብላ። ከም ወኻሩ* ኣየር ደልየን ይልህልሃ፣ኣትክልቲ ስለ ዘየልቦ፡ ኣዒንተን ይጠልማአን።+ 7 ስሕተትና ዚምስክረልና እኳ እንተ ዀነ፡ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ግበር።+ ጥልመትናስ ብዙሕ እዩ፣+ንዓኻ ኸኣ ኢና በዲልና። 8 ኦ ተስፋ እስራኤል፡ ብግዜ ጭንቂ መድሓኒኡ፡+ስለምንታይ ኢኻ ኣብታ ምድሪ ኸም ጋሻ፡ሓንቲ ለይቲ ጥራይ ከም ዚሓድር ተጓዓዚ ዝዀንካ፧ 9 ስለምንታይ ኢኻ ኸም እተዓንደ ሰብ፡ኬድሕን ከም ዘይክእል ጅግና ዝዀንካ፧ ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ መንጎና ኢኻ፣+ብስምካ ኸኣ ንጽዋዕ ኣለና።+ ኣይትሕደገና። 10 የሆዋ ብዛዕባ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኰለል ምባል ይፈትዉ እዮም፣+ ንኣእጋሮም ኣይቀየድወንን።+ ስለዚ፡ የሆዋ ብኣታቶም ባህ ኣይብሎን እዩ።+ ሕጂ ንስሕተቶም ኪዝክሮ፡ ብሓጢኣቶም ከኣ ተሓተትቲ ኺገብሮም እዩ።”+ 11 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ንጽቡቕ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ።+ 12 ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ከጥፍኦም እየ እሞ፡+ ኪጾሙ ኸለዉ፡ ልማኖኦም ኣይሰምዕን እየ፣+ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ።”+ 13 ኣነ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! እንሆ፡ ነብያት፡ ‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ናይ ሓቂ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይትርእዩን፡ ጥሜት እውን ኣይኪመጸኩምን እዩ’ ይብልዎም ኣለዉ” በልኩ።+ 14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “እቶም ነብያት ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ።+ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን።+ ናይ ሓሶት ራእያትን ከንቱ ጥንቈላን ተንኰል ልቦምን ደኣ ይንበዩልኩም ኣለዉ።+ 15 ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣነ ዘይለኣኽክዎም፡ ኣብታ ምድሪ ሰይፊ ዀነ ጥሜት ኣይኪኸውንን እዩ ዚብሉ ብስመይ ዚንበዩ ነብያት ከምዚ ይብል፦ ‘እዞም ነብያት እዚኦም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም።+ 16 ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ኸኣ፡ እቲ ዚግብኦም መዓት ክኽዕወሎም እየ እሞ፡+ ብሰሪ እቲ ጥሜትን ሰይፍን፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ዚቐብሮም ዘይብሎም+ ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ኪድርበዩ እዮም።’ 17 “ነዚ ቓላት እዚ ተዛረቦም፣‘ድንግል ጓል ህዝበይ ምሉእ ብምሉእ ተጨፍሊቓን ተሰይራን፡+ኣዝዩ ብርቱዕ ቍስሊ ኸኣ ቈሲላ እያ እሞ፡ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ።+ 18 ናብ መሮር እንተ ወጺአ፡እንሆ፡ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ እርኢ ኣለኹ!+ ናብ ከተማ እንተ ኣትየ፡ብጥሜት ዝሓመሙ እርኢ ኣለኹ!+ እቶም ነብያትን ካህናትንሲ ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ ዞይሮም።’”+ 19 ካንዶ ንይሁዳ ጠሪስካ ደርቢኻያ ኢኻ፧ ንጽዮንዶኸ ፈንፊንካያ ኢኻ፧*+ ስለምንታይ ከም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቒዕካና፧+ ንሰላም ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ጽቡቕ ኣይመጸን፣ንግዜ ምሕዋይ ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሽበራ ዀይኑ!+ 20 ኦ የሆዋ፡ ንዓኻ በዲልና ኢና እሞ፡+እከይናን ስሕተት ኣቦታትናንንእመን ኣለና። 21 ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደርብየና።+ ነቲ ኽቡር ዝፋንካ ኣይትንዓቆ። ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ።+ 22 ካብቶም ከንቱ ጣኦታት ኣህዛብ ዝናም ኬዝንም ዚኽእልዶ ኣሎ፧ ሰማያትከ ባዕላቶም ብርቱዕ ካፋ ኬኻፍዩ ይኽእሉዶ፧ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣይኰንካን፧+ ንስኻ በይንኻ ነዚ ዅሉ ጌርካ ኢኻ እሞ፡ብኣኻ ተስፋ ንገብር ኢና። 43 ኤርምያስ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ ኵሉ እዚ ቓላት የሆዋ ኣምላኾም እዚ፡ ኵለን እተን የሆዋ ኣምላኾም ኪነግሮም ዝለኣኾ ቓላት፡ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ 2 ዓዛርያ ወዲ ሆሻዕያን ዮሓናን+ ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ተዳፈርቲ ሰባትን ንኤርምያስ ከምዚ በልዎ፦ “እቲ እትብሎ ዘለኻ ሓሶት እዩ! የሆዋ ኣምላኽና፡ ‘ኣብኣ ኽትነብሩ ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ’ ኽትብል ኢሉ ኣይለኣኸካን። 3 ባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ ምእንቲ ኽንቅተል ወይ ናብ ባቢሎን ተማሪኽና ምእንቲ ኽንውሰድ፡ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ክንውሃብ ኢሉ ኣንጻርና ዜለዓዕለካ ዘሎ።”+ 4 ስለዚ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ነቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺጸንሑ ዚብል ድምጺ የሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። 5 ኣብ ክንዳኡስ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ንዅሎም* እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺነብሩ ኻብቶም ተበቲኖምሎም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ እተመልሱ ተረፍ ይሁዳ ምሳታቶም ወሰድዎም።+ 6 ንሰብኡትን ንኣንስትን ንቘልዑን ንኣዋልድ ንጉስን ንዅሎም እቶም ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ምስ ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ዝሓደጎምን ንነብዪ ኤርምያስን ንባሩኽ ወዲ ኔርያን ወሰድዎም። 7 ንድምጺ የሆዋ ኣይተኣዘዙን እሞ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸዱ፣ ክሳብ ታህጳኔስ+ ከኣ ከዱ። 8 ሽዑ፡ ኣብ ታህጳኔስ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 9 “ብኢድካ ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ፡ ኣብቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፈርኦን፡ ኣብ ታህጳኔስ ዘሎ መደብ ሕጡብ፡ ሰብኡት ኣይሁድ እናረኣዩኻ ኣብ ጭቃ ሕብኣየን። 10 ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣነ ንጊልያይ+ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ አምጽኦ ኣለኹ፣ ንዝፋኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እዘን ዝሓባእክወን ኣእማን ከንብሮ እየ፣ ንጉሳዊ ድንኳኑ ድማ ኣብ ልዕሊአን ኪዝርግሕ እዩ።+ 11 መጺኡ ኸኣ ንምድሪ ግብጺ ኺወቕዓ እዩ።+ ንመቕዘፍቲ እተባህለ ንመቕዘፍቲ፡ ንምርኮ እተባህለ ንምርኮ፡ ንሰይፊ እተባህለ ንሰይፊ ኪኸውን እዩ።+ 12 ኣባይቲ* ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ብሓዊ ኸባርዕ እየ፣+ ንሱ ኸኣ ንዓታተን ኬንድደን፡ ንዓታቶም እውን ኪማርኾም እዩ። ከምቲ ጓሳ ብኽዳኑ ዚኽደን፡ ንምድሪ ግብጺ ኪኽደና እዩ፣ ካብኣ እውን ብሰላም* ኪኸይድ እዩ። 13 ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ሓወልትታት* ቤት-ሸመሽ* ድማ ኪሰባብር፡ ንኣባይቲ* ኣማልኽቲ ግብጺ እውን ብሓዊ ኼንድድ እዩ።”’” 9 ኣየ፡ ርእሰይ እባ ማያት እንተ ዚኸውን፡ኣዒንተይ እውን ዓይኒ ማይ ንብዓት እንተ ዚኸውን!+ ሽዑ፡ ንቕቱላት ህዝበይ፡መዓልትን ለይትን ምበኸኹሎም። 2 ኣየ፡ ኣብ በረኻ መሕደሪ ተጓዓዝቲ እንተ ዝህልወኒ! ሽዑ፡ ንህዝበይ ምሓደግክዎም፡ ካባታቶም እውን ምረሓቕኩ፣ንሳቶምሲ ዅላቶም ዘመውቲ እዮም፣+ጭፍራ ጠለምቲ ህዝቢ እዮም። 3 ልሳኖም ከም ቀስቲ ይግትሩ፣ኣብ ምድሮም ተኣማንነት ዘይኰነስ፡ ሓሶት ሰፊኑ ኣሎ።+ “ካብ እከይ ናብ እከይ ይኸዱ፣ንዓይ ከኣ ኣየቕልቡለይን”+ ይብል የሆዋ። 4 “ኵሉ ሓው ጠላም፡+ኵሉ ብጻይ ከኣ ሓማዪ እዩ እሞ፡+ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ብጻይኩም ተጠንቀቑ፣ንሓውኩም እውን ኣይትእመንዎ። 5 ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ የታልሎ፣ሓቂ ዚዛረብ እውን የልቦን። ንልሳኖም ምዝራብ ሓሶት ምሂሮምዋ።+ ክፉእ ንምግባር ድማ ርእሶም የድክሙ። 6 ኣብ ማእከል ምትላል ትነብር ኣለኻ። ብምትላሎም ከኣ ምፍላጠይ ኣበዩ” ይብል የሆዋ። 7 ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ከምክኾምን ክፍትኖምን እየ፣+ንጓል ህዝበይሲ እንታይ ካልእ ደኣ ኽገብር እየ፧ 8 ልሳኖም ምትላል ዚዛረብ ቀታሊ ፍላጻ እዩ። ሰብ ንብጻዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፣ብልቡ ግና የድብየሉ።” 9 “በዚ ነገር እዝስ ተሓተትቲዶ ኣይገብሮምን እየ፧” ይብል የሆዋ። “ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝብስ ሕነይዶ ኣይፈድን እየ፧*+ 10 ሰብ ዘይሓልፎ ኽሳዕ ዚኸውን ብሓዊ ነዲዱ፡ደሃይ ማል ከኣ ኣይስማዕን እዩ እሞ፡ንኣኽራን ክበኽየሉን ክድጕዓሉን፡መጓሰዪ ንዝዀነ በረኻ እውን ከልቅሰሉ እየ። ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳታትን ሃዲሞም ከይዶም እዮም።+ 11 ንየሩሳሌም ኵምራ ኣእማን፡+ ሰፈር ወኻሩ* ኽገብራ፡+ንኸተማታት ይሁዳ ድማ ነበርቲ ዘይብለን ባድም ክገብረን እየ።+ 12 ነዚ ኺርድኦ ዚኽእል ጥበበኛ መን እዩ፧ ምእንቲ ኺገልጾኸ፡ ኣፍ የሆዋ ንመን እዩ እተዛረቦ፧ እታ ምድሪ ስለምንታይ ጠፊኣ፧ ሓደ እኳ ኸም ዘይሓልፋ ዀይናዝሓረረት ስለምንታይ እያ፧” 13 የሆዋ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘንበርክዎ ሕገይ* ስለ ዝሓደግዎን ስለ ዘይሰዓብዎን ድምጸይ ስለ ዘይተኣዘዙን እዩ። 14 ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም፡ ብንቕጽና ንልቦም ስዒቦም፡+ ንምስልታት በዓል ከኣ ስዒቦም።+ 15 ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ መሪር ተኽሊ ኸብልዖ፡ እተመረዘ ማይ ድማ ከስትዮ እየ።+ 16 ኣብ መንጎ እቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈለጥዎም ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፡+ ክሳዕ ዘጽንቶም ከኣ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰድድ እየ።’+ 17 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብኣእምሮ ተመላለሱ። ልቕሶ ዜልቅሳ ኣንስቲ ጸውዑ፣+ክኢላታት ኣንስቲ ኺመጻ ድማ ልኣኹ፣ 18 ቀልጢፈን ድጕዓ ምእንቲ ኼለዓዕላልና፡ኣዒንትና ብንብዓት ምእንቲ ኺውሕዝ፡ከበሮ ዓይንና ኸኣ ማይ ምእንቲ ኼንጠብጥብ፡ ልኣኹ።+ 19 ደሃይ ድጕዓስ ካብ ጽዮን ተሰሚዑ እዩ፦+ “ክንደይ ኰን ኢና ጠፊእና! ሕፍረትና እውን ክንደይ ኰን ዓብዪ እዩ! ነታ ምድርስ ሓዲግናያ፡ ንኣባይትና ኸኣ ኣፍሪሶምዎ።”+ 20 ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል የሆዋ ስምዓ። እዝንኽን ድማ ቃል ኣፈይ ትቀበል። ንኣዋልድክን እዚ ድጕዓ እዚ ምሃራአን፣ንሓድሕድክን እውን እዚ ልቕሶ እዚ ተማሃሃራ።+ 21 ሞትሲ ብመሳዅትና ደዪቡ ኣሎ፣ንደቅና ኻብ ጐደናታት፡ንኣጕባዝና እውን ካብ ኣደባባያትና ኺወስድሲ፡ናብ እተዓርዳ ግምብታትና ኣትዩ ኣሎ።’+ 22 ከምዚ በሉ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሬሳታት ሰባት ከም ድዅዒ ኣብ ገጽ ግራት ኪኸውን፡ከምቲ ደድሕሪ ዓጻዲ ተር ኢሉ ዘሎ ዕጻድ ኪኸውን እዩ፣ዚእክቦም እውን የብሎምን።”’”+ 23 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፣+ሓያል ከኣ ብሓይሉ ኣይመካሕ፣ሃብታም ድማ ብሃብቱ ኣይመካሕ።”+ 24 “እቲ ዚምካሕሲ በዚ ደኣ ይመካሕ፦ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍትሕን ጽድቅን ኣብ ምድሪ ዝገብር ኣነ የሆዋ ምዃነይ፡+ብዛዕባይ ልቦናን ፍልጠትን ብምርካቡ ይመካሕ፣+በዝስ ደስ ይብለኒ እዩ”+ ይብል የሆዋ። 25 “እንሆ፡ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ ኸኣ ንዅሉ ዘይተገዝረ ግዙር ተሓታቲ ኽገብሮ እየ፣+ 26 ንግብጽን+ ንይሁዳን+ ንኤዶምን+ ንዓሞናውያንን+ ንሞኣብን+ ንዅሎም እቶም ኣብ በረኻ ዚቕመጡ ጸጕሪ ጕንዲ እዝኖም ዚቘርጹን+ ከምኡ ኽገብር እየ፣ ኵሎም ኣህዛብሲ ዘይተገዝሩ እዮም፣ ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ልቦም ዘይተገዝረ እዩ።”+ 27 ኣብ መጀመርታ ንግስና ዮያቂም ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ቓል እዚ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 2 “የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘መእሰሪታትን ኣርዑታትን ንዓኻ ግበር፣ ኣብ ክሳድካ ድማ ግበሮ። 3 ንዕኡ ኸኣ ናብ ንጉስ ኤዶምን+ ናብ ንጉስ ሞኣብን+ ናብ ንጉስ ዓሞናውያንን+ ናብ ንጉስ ጢሮስን+ ናብ ንጉስ ሲዶንን+ ብኢድ እቶም ናብ የሩሳሌም ናብ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ዝመጹ ልኡኻት ጌርካ ስደዶ። 4 ንጐይተቶም ድማ እዚ ትእዛዝ እዚ ሃቦም፦ “‘“የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፣ ንጐይተትኩም ከምዚ በልዎም፦ 5 ‘ንምድርን ኣብ ገጽ ምድሪ ንዘለዉ ሰብን እንስሳን ብዓብዪ ሓይለይን ብዝርግሕቲ ቕልጽመይን ዝገበርኩ ኣነ እየ፣ ኣነ ኸኣ ንዓኣ ባህ ንዝበለኒ* ሂበያ ኣለኹ።+ 6 ሕጂ ድማ ኵለን እዘን ሃገራት እዚአን ኣብ ኢድ ጊልያይ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ሂበየን ኣለኹ፣ እንስሳታት መሮር እኳ ኺግዝእዎ ሂበዮ ኣለኹ። 7 ግዜ ምድሩ ኽሳዕ ዚኣክል፡ ማለት ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንዕኡ ባርያኦም ክሳዕ ዚገብርዎ፡+ ኵሎም ኣህዛብ ንዕኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ኪግዝእዎም እዮም።’+ 8 “‘“‘እቲ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከይግዛእ ዚኣቢ፡ ክሳዱ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ምግባር ዚኣቢ ህዝብን መንግስትን፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ብኢዱ ገይረ ኽሳዕ ዝውድኦ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ክቐጽዖ እየ’ ይብል የሆዋ።+ 9 “‘“‘እምበኣር፡ ነቶም፡ “ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝእዎን ኢኹም” ዚብሉኹም ነብያትኩምን ጠንቈልትኹምን ሓለምትኹምን ገበርቲ ስሒርኩምን ኣስማተኛታትኩምን ኣይትስምዕዎም። 10 ንሳቶምሲ ኻብ ምድርኹም ርሒቕኩም ምእንቲ ኽትውሰዱን ኣነ ምእንቲ ኽብትነኩምን ምእንቲ ኽትጠፍኡን፡ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ። 11 “‘“‘ነቲ ኽሳዱ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ዚገብርን ዚግዝኦን ህዝቢ ግና’ ይብል የሆዋ፡ ‘ንምድሩ ኺሓርሳን ኣብኣ ኪቕመጥንሲ፡ ኣብኣ ኺነብር* ክፈቕደሉ እየ።’”’” 12 ንጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብተመሳሳሊ ኸምዚ ኢለ ተዛረብክዎ፦ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ግበሩ፣ ንዕኡን ንህዝቡን ከኣ ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+ 13 ስለምንታይ ንስኻን ህዝብኻን፡ ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ህዝቢ እተዛረቦ ብሰይፍን+ ብጥሜትን+ ብለበዳን እትሞቱ፧+ 14 ንቓላት እቶም፡ ‘ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝእዎን ኢኹም’ ዚብሉኹም ዘለዉ ነብያት ኣይትስምዑ፣+ ንሳቶምሲ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ።+ 15 “‘ኣነ ምእንቲ ኽብትነኩም፡ ንስኻትኩምን እቶም ዚንበዩልኩም ነብያትን ከኣ ምእንቲ ኽትጠፍኡስ፡ ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን’ ይብል የሆዋ።”+ 16 ንኻህናትን ንዅሉ እዚ ህዝቢ እዝን ድማ ከምዚ በልክዎም፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንቓላት እዞም፡ “እንሆ፡ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ኻብ ባቢሎን ሕጂ ብቕልጡፍ ኪምለስ እዩ!”+ ኢሎም ዚንበዩልኩም ነብያትኩም ኣይትስምዑ፣ ንሳቶምሲ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ።+ 17 ኣይትስምዕዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+ ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ፧ 18 ንሳቶም ነብያት እንተ ዀይኖም፡ ቃል የሆዋ ኸኣ ምሳታቶም እንተ ኣልዩ፡ እቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ ቤት* ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ዝተረፈ ኣቕሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ግዳ ይለምንዎ።’ 19 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ብዛዕባ እቲ ኣዕኑድን+ እቲ ባሕርን*+ እቲ ዓረብያታትን+ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፉ ዘሎ ኣቕሑን ከምዚ ይብል፣ 20 እወ፡ ብዛዕባ እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንየኮንያ ወዲ ዮያቂም፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ምስ ኵሎም ልዑላን ይሁዳን የሩሳሌምን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ኺወስዶ ኸሎ ዘይወሰዶ፡+ 21 ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ ቤት* ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ዝተረፈ ኣቕሑ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ 22 ‘“ናብ ባቢሎን ኪውሰድ፡+ ኣነ ቘላሕታ ኽሳዕ ዝገብረሉ እውን ኣብኡ ኺጸንሕ እዩ። ሽዑ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸደይቦን ክመልሶን እየ” ይብል የሆዋ።’”+ 47 ፈርኦን ንጋዛ ቕድሚ ምውቃዑ፡ ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን+ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ። 2 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ማያት ካብ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ። ዜዕለቕልቕ ውሒዝ ኪኸውን እዩ። ነታ ምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን፡ነታ ኸተማን ንነበርታን ኬዕለቕልቕ እዩ። እቶም ሰባት ኬእውዩ፡ኵሎም እቶም ኣብታ ምድሪ ዚቕመጡ ኸኣ ዋይዋይ ኪብሉ እዮም። 3 ብደሃይ ምንድቕዳቕ ሸዀናታት ኣፍራሱንብገልጠምጠም ሰረገላታቱንብደርጓዕጓዕ መንኰራዅራቱን፡ኣቦታት ኣእዳዎም ስለ ዝለመሳ፡ንደቆም እኳ ግልጽ ኣይኪብሉን እዮም፣ 4 እታ እትመጽእ ዘላ መዓልትስ ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን+ ከተጥፍኦም እያ፣ንዅሉ እቲ ዝተረፈ መሻርኽቲ ኻብ ጢሮስን+ ካብ ሲዶንን+ ክትምንቍስ እያ፣የሆዋስ ንፍልስጥኤማውያን፡ነቶም ካብ ደሴት ካፍቶር*+ ዝተረፉ ኼጥፍኦም እዩ። 5 ጋዛ ኽትምለጥ* እያ። ኣሽቀሎን ስቕ ኢላ ኣላ።+ ኣቱም ተረፍ እቲ ጐልጐል ስንጭሮኦም፡*ክሳዕ መዓስ ሰብነትኩም ክትበጥሑ ኢኹም፧+ 6 ኣየ፡ ሰይፊ የሆዋ!+ ክሳዕ መዓስ ኢኺ ስቕ ዘይትብሊ፧ ናብ ሰገባኺ ተመለሲ። ዕረፊ፡ ስቕ እውን በሊ። 7 የሆዋ ኣዚዝዋ ኸሎስ፡ከመይ ኢላ ስቕ ክትብል፧ ኣብ ኣሽቀሎንን ገምገም ባሕርን፡+እወ፡ ኣብኡ መዲብዋ ኣሎ።” 50 እቲ የሆዋ ብዛዕባ ባቢሎን፡+ ብዛዕባ ምድሪ ከለዳውያን፡ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል፦ 2 “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንገሩን ኣውጁን። ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉን ኣውጁን። ገለ እኳ ኣይትሕብኡ! ‘ባቢሎን ተታሒዛ።+ ቤል ሓፊሩ።+ መሮዳክ ተሸቢሩ። ምስልታታ ሓፊሮም። ጽዩፋት ጣኦታታ* ተሸቢሮም’ በሉ። 3 ካብ ሰሜንሲ ህዝቢ ኣንጻራ ደዪቡ ኣሎ።+ ንምድራ መሰክሒ ገይርዎ ኣሎ፣ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይቅመጥን ኣሎ። ሰብን እንስሳን ሃዲሞም ኣለዉ፣ከይዶም ኣለዉ።” 4 “በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን ሓቢሮም ኪመጹ እዮም” ይብል የሆዋ።+ “እናበኸዩ ኪኸዱ፡+ ንየሆዋ ኣምላኾም እውን ኪደልይዎ እዮም።+ 5 መገዲ ጽዮን ኪሓትቱ፡ ገጾም ናብቲ ኣንፈታ ኣቕኒዖም ከኣ፡+ ‘ንዑ፡ ብዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ምስ የሆዋ ንሕበር’ ኪብሉ እዮም።+ 6 ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ኰይኑ ኣሎ።+ ጓሶቶም ኣስሒቶምዎም።+ ካብ ከረን ናብ ኵርባ ዀለል እናኣበሉ፡ ናብ ኣኽራን መሪሖምዎም። መዕረፊኦም ረሲዖም ኣለዉ። 7 ዝረኸብዎም ዘበሉ ዅሎም በሊዖምዎም፣+ ጸላእቶም ከኣ፡ ‘ንየሆዋን ነታ መንበሪ ጽድቅን ንየሆዋ እቲ ተስፋ ኣቦታቶምን በዲሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ኣይበደልናን’ ኢሎም።” 8 “ካብ ማእከል ባቢሎን ህደሙ፣ካብ ምድሪ ከለዳውያን ውጹ፣+ቀቅድሚ መጓሰ ኸም ዚመርሑ እንስሳታት ኩኑ። 9 እንሆ፡ ኣነስ ካብ ምድሪ ሰሜን ኣኼባ ዓበይቲ ኣህዛብ፡+ኣንጻር ባቢሎን አተንስእን አምጽእን ኣለኹ። ተሰሊፎም ኪመጽዋ እዮም፣ካብኡ ኽትተሓዝ እያ። ፍላጻታቶም ከም ናይ ጀጋኑ እዩ፣ውሉዳት ዜስእን እዩ።+ ብዘይ ፍረ ኣይኪምለስን እዩ። 10 ከለዳ ምርኮ ኽትከውን እያ።+ ኵሎም እቶም ካብኣ ምርኮ ዚወስዱ፡ ኪጸግቡ እዮም”+ ይብል የሆዋ። 11 “ርስተይ ክትዝርፉ ኸለኹምሲ፡+ተሓጒስኩምን ተፈሲህኩምን ኢኹም።+ ከም ኣርሕስ ኣብ ሳዕሪ ጻሕቲርኩም፡ከም ኣፍራስ እውን ሓምሒምኩም ኢኹም። 12 ኣዴኹም ሓፊራ ኣላ።+ ወላዲትኩም ጕህያ ኣላ። እንሆ፡ ንሳ ኻብ ኣህዛብ ዝነኣሰት፡ማይ ዘይብሉ በረኻን ምድረ በዳን እያ።+ 13 ብሰንኪ ቝጥዓ የሆዋ፡ ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ፣+ጠሪሳ ኽትባድም እያ።+ ብባቢሎን ዚሓልፍ ዘበለ፡ ሰኪሑ ኺጥምታ፡ብሰሪ ዅሉ መዓታ እውን ኬፋጽየላ እዩ።+ 14 ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ* ዅልኹም፡ብዅሉ ሸነኽ ተሰሊፍኩም ኣንጻር ባቢሎን ምጹ። ንየሆዋ በዲላቶ እያ እሞ፡+ወርውሩላ፡ ፍላጻ ኣይትብቀቑ።+ 15 ብዅሉ ሸነኻ ጭድርታ ውግእ ጨድሩላ። ኢዳ ሂባ ኣላ። ሕነ የሆዋ እዩ እሞ፡+ኣዕኑዳ ወዲቑ፡ መካበብያኣ ፈሪሱ ኣሎ።+ ሕነኹም ፍደይዋ። ከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋ።+ 16 ንዘራእን ብግዜ ቐውዒ ማዕጺድ ንዚሕዝንካብ ባቢሎን መንቍሱ።+ ብሰንኪ እቲ ሕሱም ሰይፊ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ኺምለስ፡ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ ኺሃድም እዩ።+ 17 “ህዝቢ እስራኤልሲ ፋሕ ዝበሉ ኣባጊዕ እዮም።+ ኣናብስ በቲኖምዎም እዮም።+ ቅድም፡ ንጉስ ኣሶር በሊዕዎም፣+ ድሕሪኡ፡ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ንኣዕጽምቶም ቈራጢምዎ።+ 18 ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝገበርክዎ፡ ንንጉስ ባቢሎንን ንምድሩን እውን ከምኡ ኽገብር እየ።+ 19 ንእስራኤል ከኣ ናብ መጓሰዪኡ ኽመልሶ እየ፣+ ኣብ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን ድማ ኪበልዕ እዩ፣+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬምን+ ጊልዓድን+ እውን ኪጸግብ እዩ።’”* 20 “በተን መዓልትታት እቲአንን በታ ግዜ እቲኣን፡ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡በደል እስራኤል ኪድለ፡ግናኸ ኣይኪህሉን እዩ፣ሓጢኣት ይሁዳ ኸኣ ኣይኪርከብን እዩ” ይብል የሆዋ።+ 21 “ኣንጻር ምድሪ ሜራታይምን ኣንጻር ነበርቲ ጴኮድን ደይብ።+ ይቀተሉን ጠሪሶም ይጥፍኡን” ይብል የሆዋ። “ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ግበር። 22 ኣብታ ምድሪ ደሃይ ውግእንዓብዪ መዓትን ኣሎ። 23 እዚ ሞደሻ ዅሉ ምድሪ ኸመይ ኢሉ ዀን እዩ እተቘርጸን እተሰብረን!+ ባቢሎንሲ ኸመይ ኢላ ዀን እያ ኣብ መንጎ ኣህዛብ መሰክሒ ዝዀነት!+ 24 ኣቲ ባቢሎን፡ ኣነ መፈንጠራ ኣጻዊደልኪ፡ ንስኺ እውን ተታሒዝኪ፣ኣይፈለጥክዮን ከኣ። ንየሆዋ ኢኺ እተጻረርክዮ እሞ፡ተረኺብክን ተታሒዝክን ኢኺ።+ 25 የሆዋ ማዕከኑ ኸፊቱ ኣሎ፣ኣጽዋር ቍጥዓኡ ድማ የውጽእ ኣሎ።+ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ፡ኣብ ምድሪ ከለዳውያን ዚገብሮ ኣለዎ። 26 ካብ ርሑቕ ቦታታት ኣንጻራ ምጹ።+ ማዕከናታ ኽፈቱ።+ ከም ኵምራታት እኽሊ ዀምርዋ። ጠሪስኩም ኣጥፍእዋ።+ ሓደ እኳ ኣይተትርፉላ። 27 ንዅሎም ዝራብዓታ ቕተልዎም፣+ናብ ማሕረዲ ኣውርድዎም። መዓልቶም፡ግዜ ምጽብጻቦም መጺኣ እያ እሞ፡ ወይለኦም! 28 ኣብ ጽዮን ሕነ የሆዋ ኣምላኽና፡ሕነ ቤተ መቕደሱ ኺነግሩስ፡+ደሃይ እቶም ዚሃድሙ፡ካብ ምድሪ ባቢሎን ዜምልጡ ይስማዕ ኣሎ። 29 ኣንጻር ባቢሎን ቀስተኛታት፡ኵሎም እቶም ቀስቲ ዚግትሩ* ኣኽትቱ።+ ኣብ ዙርያኣ ስፈሩ፣ ሓደ እኳ ኣየምልጥ። ከም ግብራ ፍደይዋ።+ ከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋ።+ ንሳስ ንየሆዋ፡ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ተዓብያትሉ እያ።+ 30 ስለዚ፡ ኣጕባዛ ኣብ ኣደባባያታ ኺወድቁ፡+ኵሎም ተዋጋእታ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጠፍኡ* እዮም” ይብል የሆዋ። 31 “ኣታ ደፋር፡+ መዓልትኻ፡ እታ ኣነ ተሓታቲ ዝገብረካ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ እሞ፡እንሆ፡ ኣንጻርካ እየ”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 32 “ኣታ ደፋር፡ ክትዕንቀፍን ክትወድቕን ኢኻ፣ሓደ እኳ ኣይኬተንስኣካን እዩ።+ ከተማታትካ ብሓዊ ኸባርዕ እየ፣ንሱ እውን ኣብ ዙርያኻ ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ።” 33 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን ጭቁናት እዮም፣ኵሎም እቶም ማሪኾም ዝወሰድዎም ሒዞምዎም ኣለዉ።+ ምሕዳጎም ኣብዮም ኣለዉ።+ 34 ተበጃዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ።+ ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።+ ነታ ምድሪ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺህባን+ንነበርቲ ባቢሎን ምእንቲ ኼናውጾምን+ብርግጽ ንጕዳዮም ኪማጐተሉ እዩ።”+ 35 “ኣንጻር ከለዳውያንን ኣንጻር ነበርቲ ባቢሎንንኣንጻር መሳፍንታን ኣንጻር ጥበበኛታታን ሰይፊ ኣሎ” ይብል የሆዋ።+ 36 “ኣንጻር እቶም ባዶ ዚዛረቡ፡* ሰይፊ ኣሎ፣ ኪዕሽዉ ኸኣ እዮም። ኣንጻር ጀጋኑኣ ሰይፊ ኣሎ፣ ኪሽበሩ ድማ እዮም።+ 37 ኣንጻር ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን፡ኣንጻር ኵሎም እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን ሰይፊ ኣሎ፣ከም ኣንስቲ ድማ ኪዀኑ እዮም።+ ኣንጻር መዛግብታ ሰይፊ ኣሎ፣ ኪዝመት እውን እዩ።+ 38 ኣብ ማያታ ጥፍኣት ኣሎ፣ ኪነቅጽ ከኣ እዩ።+ ንሳስ ምድሪ ቕሩጽ ምስልታት እያ፣+ብዜፍርህ ራእያቶም ድማ ይጽለሉ እዮም። 39 ስለዚ፡ ኣራዊት ምድረ በዳ ምስ ዚንቅዉ እንስሳታት ኪቕመጡ እዮም፣ኣብኣ ሰገናት ኪቕመጣ እየን።+ ደጊም ንሓዋሩ ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ፣ንውሉድ ወለዶ እውን መንበሪ ኣይክትከውንን እያ።”+ 40 “ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ኣብ ጥቓአን ንዝነበራ ኸተማታትን+ ምስ ገልበጠን ዝዀነ፡+ ኣብኣ እውን ሓደ ሰብ እኳ ኣይኪቕመጥን፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣይኪሰፍርን እዩ” ይብል የሆዋ።+ 41 “እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ፣ዓብዪ ህዝብን ዓበይቲ ነገስታትን+ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኺትንስኡ እዮም።+ 42 ቀስትን መዝረቕን ሒዞም ኣለዉ።+ ጨካናትን ምሕረት ዘይብሎምን እዮም።+ ኣብ ኣፍራሶም ተወጢሖም ኪኸዱ ኸለዉ፡ደሃዮም ከም ዚሃምም ባሕሪ እዩ።+ ኣቲ ጓል ባቢሎን፡ ከም ሓደ ሰብ፡ ኣንጻርኪ ይስለፉ ኣለዉ።+ 43 ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኦም ወረ ሰሚዑስ፡+ኣእዳዉ ተሓሊለን ኣለዋ።+ ጭንቂ ሒዝዎ፡ከም እትወልድ ሰበይቲ ጻዕሪ ሒዝዎ ኣሎ። 44 “እንሆ፡ ሓደ ኣንጻር እቲ ውሑስ መጓሰዪ ኸምቲ ኻብቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻታት ዚወጽእ ኣንበሳ ኺድይብ እዩ፣ ብቕጽበት ግና ካብኣ ኸህድሞም እየ። ኣብ ልዕሊኣ ድማ ሕሩይ ክሸይም እየ።+ ከማይ ዝበለስ መን እዩ፧ መን እዩ ዚብድሃኒ፧ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳኸ መን እዩ፧+ 45 ስለዚ፡ የሆዋ ኣንጻር ባቢሎን ዝገበሮ ውሳነን*+ ኣንጻር ነበርቲ ምድሪ ከለዳውያን ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ፦ ብርግጽ ካብተን መጓሰ እተን ንኣሽቱ ኺጕተታ እየን። ንሱ ድማ ብሰንኮም መንበሪአን ኬባድም እዩ።+ 46 ብደሃይ ምትሓዝ ባቢሎን፡ ምድሪ ኸተንቀጥቅጥ እያ። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ኣውያት ኪስማዕ እዩ።”+ 13 የሆዋ ኸኣ፡ “ኪድ እሞ ንዓኻ ዕጣቕ በፍታ ዓዲግካ፡ ኣብ ሕቘኻ ተዓጠቃ፣ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ። 2 ኣነ ድማ ከም ቃል የሆዋ፡ ዕጣቕ ዓዲገ ኣብ ሕቘይ ተዓጠቕክዋ። 3 ቃል የሆዋ ኸኣ ካልኣይ ሳዕ ናባይ መጺኡ፡ 4 “ነታ ዓዲግካስ ተዓጢቕካያ ዘለኻ ዕጣቕ ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኪድ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ነቓዕ ከውሒ ሕብኣያ” በለኒ። 5 ኣነ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ፡ ከይደ ኣብ ጥቓ ኤፍራጥስ ሓባእክዋ። 6 ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ግና፡ የሆዋ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ኤፍራጥስ ኪድ፣ ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ ዕጣቕ ድማ ካብኡ ውሰዳ” በለኒ። 7 ኣነ ኸኣ ናብ ኤፍራጥስ ከይደ፡ ነታ ዕጣቕ ኵዒተ ኻብቲ እተሓብኣትሉ ወሰድክዋ፣ እታ ዕጣቕ ከም እተበላሸወት ድማ ረኣኹ፣ ጠሪሳ ዘይትጠቅም እውን ኰይና ነበረት። 8 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 9 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንትምክሕቲ ይሁዳን ንብዙሕ ትምክሕቲ የሩሳሌምን ከምኡ ገይረ ኸጥፍኦ እየ።+ 10 እዞም ቃላተይ ምእዛዝ ዚኣብዩን+ ብንቕጽና ንልቦም ዚስዕቡን+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስዕቡን ዜገልግልዎምን ዚሰግዱሎምን እኩያት ህዝቢ፡ ከምዛ ዕጣቕ እዚኣ ጠሪሶም ዘይጠቕሙ ኪዀኑ እዮም።’ 11 ‘ከምቲ ዕጣቕ ኣብ ሕቘ ሰብ ዚጠብቕ፡ ንብዘለዉ ቤት እስራኤልን ንብዘለዉ ቤት ይሁዳን፡ ህዝብን+ ስምን+ ውዳሰን ጽቡቕ ነገርን ኪዀኑኒ ኢለ፡ ኣባይ ኣጥበቕክዎም፣ ግናኸ ኣይሰምዑን’+ ይብል የሆዋ። 12 “‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ “ኵሉ ገንኢ ብወይኒ ኺምላእ ኣለዎ” ይብል ኣሎ’ ኢልካ እዚ መልእኽቲ እዚ እውን ንገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ኵሉ ገንኢ ብወይኒ ኸም ዚምላእሲ ድሮዶ ኣይንፈልጥን ኢና፧’ ኢሎም ኪምልሱልካ እዮም። 13 ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንዅሎም ነበርቲ እዛ ምድሪ፡ ነቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታትን ንኻህናትን ንነብያትን ንዅሎም ነበርቲ የሩሳሌምን፡ ብስኽራን እመልኦም ኣለኹ።+ 14 ንኣቦታትን ንደቅን ብሓደ ንሓድሕዶም ከራጽሞም እየ” ይብል የሆዋ።+ “ኣይክርሕርሕን፡ ኣይክሓዝንን፡ ኣይክምሕሮምን እየ፣ ካብ ምጥፋኦም ደው ዜብለኒ የልቦን።”’+ 15 ስምዑን ጽን በሉን። የሆዋ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ዕቡያት ኣይትኹኑ። 16 ንሱ ጸልማት ከየምጽአ፡ኣእጋርኩም ከኣ ብጽልግልግታ ኣኽራን ከይተዓንቀፈ፡ንየሆዋ ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ። ንብርሃን ተስፋ ኽትገብሩ ኢኹም፣ንሱ ግና ብርቱዕ ጽላሎት ኬምጽእ እዩ፣ናብ ብርቱዕ ድነ ድማ ኪልውጦ እዩ።+ 17 ምስማዕ እንተ ኣቢኹም ከኣ፡ብሰሪ ትምክሕትኹም ብሕቡእ ክበኪ እየ።* መጓሰ የሆዋ+ ተማሪኹ ተወሲዱ እዩ እሞ፡ንብዓተይ ከፍስስ፡ ካብ ኣዒንተይ እውን ንብዓት ኪውሕዝ እዩ።+ 18 ንንጉስን ንኣደ ንጉስን፡*+ ‘ኣብ ዝተሓተ ቦታ ተቐመጡ፣እቲ ጽቡቕ ዘውድኹምሲ ኻብ ርእስኹም ኪወድቕ እዩ’ ኢልካ ንገሮም። 19 ከተማታት ደቡብ ተዓጽየን፣* ዚኸፍተን ድማ የልቦን። ኵላ ይሁዳ ተማሪኻ ተወሲዳ፣ ጠሪሳ ተማሪኻ ተወሲዳ።+ 20 ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ነቶም ካብ ሰሜን ዚመጹ ዘለዉ ርኣይዮም።+ እቲ እተዋህበኪ መጓሰ፡ እተን ጽቡቓት ኣባጊዕ፡ ኣበይ ኣለዋ፧+ 21 ካብቶም ካብ መጀመርታ ዘቕረብክዮም ናይ ቀረባ ፈተውትኺ+መቕጻዕትኺ ምስ መጸ፡ እንታይ ክትብሊ ኢኺ፧ ከምቲ ንእትወልድ ሰበይቲ ዚሕዛ፡ ቅልውላውዶ ኣይክሕዘክን እዩ፧+ 22 ብልብኺ ድማ፡ ‘ስለምንታይ እዩ እዚ ወሪዱኒ፧’ እንተ ኢልኪ፡+ብሰሪ ዓብዪ ስሕተትኪ እዩ ወሰን ክዳንኪ እተቐንጠጠ፡+ሸዀናኺ እውን እተሃስየ። 23 ኩሻዊዶ* ቘርበቱ ወይስ ነብሪዶ ነጠብጣቡ ኺልውጥ ይኽእል እዩ፧+ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ንስኻትኩም ድማ ጽቡቕ ምግባር ክትክእሉ ኢኹም፣ንስኻትኩምሲ ሕማቕ ንምግባር ዝሰልጠንኩም ኢኹም። 24 ስለዚ፡ ብንፋስ ምድረ በዳ ኸም እተበቈጸ ሓሰር ፋሕ ከብሎም እየ።+ 25 እዚ ዕጫኺ፡ ዝሰፈርኩልኪ ግደኺ እዩ” ይብል የሆዋ፡“ከመይሲ፡ ንስኺ ረሲዕክኒ፡+ ብሓሶት ድማ ተኣሚንኪ ኢኺ።+ 26 ስለዚ፡ ንወሰን ክዳንኪ ናብ ገጽኪ ኸልዕሎ፡ሕፍረትኪ እውን ኪርአ እዩ፣+ 27 እወ፡ ዝሙትክን+ ብፍትወተ ስጋ ምሕምሓምክንጽዩፍ* ምንዝርናኽን ኪርአ እዩ። ኣብ ኵርባታትን ኣብ መሮርን፡እቲ ጽዩፍ ተግባርኪ ርእየዮ እየ።+ ኣቲ የሩሳሌም፡ ወይለኺ! ክሳዕ መዓስ ኢኺ ርኽስቲ ዄንኪ ኽትጸንሒ፧”+ 5 ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ዙሩ። ርኣዩን ኣስተብህሉን። ፍትሒ ዚገብር፡እሙን ኪኸውን ድማ ዚደሊ እንተ ረኸብኩምሲ፡+ኣብ ኣደባባያታ ድለዩ፣ኣነ እውን ይቕረ ኽብለላ እየ። 2 “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!” እኳ እንተ በሉ፡ብሓሶት እዮም ዚምሕሉ።+ 3 ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ንተኣማንነት ደይኰናን ዚደልያ፧+ ንስኻ ወቒዕካዮም፣ ግናኸ ኣየሕመሞምን።* ኣጽኒትካዮም፣ ተግሳጽ ምቕባል ግና ኣብዮም።+ ገጾም ካብ ከውሒ ዚተርር ገይሮም፣+ምምላስ እውን ኣብዮም።+ 4 ኣነ ግና ንርእሰይ፡ “ብርግጽ እዚኣቶም ትሑታት እዮም። መገዲ የሆዋ፡ ፍርዲ ኣምላኾምዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ዓሽዮም። 5 ናብ ምርኡያት ከይደ ምሳታቶም ክዛረብ እየ፣ንሳቶምሲ መገዲ የሆዋ፡ ፍርዲ ኣምላኾምዚፈልጡ እዮም።+ ግናኸ፡ ንሳቶም ኵላቶም ኣርዑት ሰይሮም፣ቀይዲ* እውን በቲኾም” በልኩ። 6 ስለዚ፡ ኣንበሳ ዱር የጥቅዖም፡ተዅላ ጐልጐል ምድረ በዳ ኸኣ የጥፍኦም ኣሎ፣ነብሪ ድማ ኣብ ከተማታቶም ነቒሑ ይቃጾ ኣሎ። ካብአን ዝወጸ ዘበለ ኸኣ ይሰላላዕ ኣሎ። ከመይሲ፡ ኣበሳኦም ብዙሕ እዩ፣ጥልመቶም ድማ ማእለያ ዘይብሉ እዩ።+ 7 ከመይ ኢለ ነዚ ይቕረ ኽብለልኪ፧ ደቅኺ ሓዲጎምኒ ኣለዉ፣ኣምላኽ ብዘይኰነ ኸኣ ይምሕሉ ኣለዉ።+ ዜድልዮም ዘበለ ኣጽጊበዮም፣ንሳቶም ግና ዘምዮም፣ናብ ቤት ኣመንዝራ እውን ውሒዞም። 8 ኪሰርሩ ኸም ዚደልዩ ዝረሰኑ ኣፍራስ እዮም፣ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ኻልእ ይሕምሕሙ።+ 9 “በዚ ነገር እዝስ ተሓተትቲዶ ኣይገብሮምን እየ፧” ይብል የሆዋ። “ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝብስ ሕነይዶ ኣይፈድን እየ፧”*+ 10 “ናብ ዛላታት ኣታኽልቲ ወይና ደዪብኩም ኣጥፍኡ፣ጠሪስኩም ግና ኣይተጽንቱ።+ ነቶም ዜስፋሕፍሑ ጨናፍራ ኣርሕቕዎም፣ንሳቶምሲ ናይ የሆዋ ኣይኰኑን። 11 ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳንሲፈጺሞም ጠሊሞምኒ እዮም” ይብል የሆዋ።+ 12 “ንየሆዋ ኽሒዶምዎ ኣለዉ፣‘ሓንቲ እኳ ኣይኪገብርን እዩ።*+ መዓት ኣይኪመጸናን እዩ፣ሰይፊ ወይ ጥሜት ኣይክንርእን ኢና’ ድማ ይብሉ ኣለዉ።+ 13 ነብያትሲ ንፋስ ጥራይ ዝመልኡ እዮም፣ቃል* ከኣ ኣባታቶም የሎን። እዚ ደኣ ይብጽሓዮም!” 14 ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከምዚ ይብል፦ “እዞም ሰባት እዚኦም እዚ ስለ እተዛረቡ፡ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ሓዊ እገብር ኣለኹ፣+እዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዕንጨይቲ እዩ፣ኪበልዖም ከኣ እዩ።”+ 15 “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ አምጽኣልኩም ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ። “ናይ ቀደም ህዝቢ እዩ። ናይ ጥንቲ ህዝቢ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትፈልጦ፡ዘረባኡ ድማ ዘይትርድኦ ህዝቢ እዩ።+ 16 ጕልድባኦም ከም ክፉት መቓብር እዩ፣ኵላቶም ጀጋኑ እዮም። 17 ንሳቶም ንእኽልኻን ንእንጌራኻን ኪበልዕዎ እዮም።+ ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ኪበልዕዎም እዮም። ንጤለ በጊዕካን ንኸብትኻን ኪበልዕወን እዮም። ንኣታኽልቲ ወይንኻን ንኣእዋም በለስካን ኪበልዕዎ እዮም። ነተን እትእመነን እተዓርዳ ኸተማታትካ ብሰይፊ ኼጥፍእወን እዮም።” 18 “በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡” ይብል የሆዋ፡ “ጠሪሰ ኣይከጽንተኩምን እየ።+ 19 ‘ስለምንታይ እዩ የሆዋ ኣምላኽና እዚ ዅሉ ዝገበረና፧’ ኢሎም ምስ ሓተቱ፡ ‘ከምቲ ኣብ ምድርኹም ጓና ኣምላኽ ከተገልግሉ ኢልኩም ዝሓደግኩምኒ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይምድርኹም ንጓኖት ከተገልግሉ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”+ 20 ኣብ ቤት ያእቆብ እዚ ንገሩ፣ኣብ ይሁዳ ኸኣ ከምዚ ኢልኩም ኣውጁ፦ 21 “ኣታ ልቢ ዘይብሉ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ፦+ ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣+ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን።+ 22 ‘ኣይትፈርሁንን ዲኹም፧’ ይብል የሆዋ፣‘ኣብ ቅድመይሲ ራዕራዕ ኣይትብሉን ዲኹም፧ ብሑጻ ገይረ ንባሕሪ ዶብ ዝገበርኩሉ፡ከይሓልፍ ድማ ነባሪ ስርዓት ዝገበርኩሉ ኣነ እየ። ማዕበላቱ እኳ እንተ ተናወጸ፡ ኣይስዕርን፣ዋላ እኳ እንተ ሃመመ፡ ኣይሰግሮን።+ 23 እዚ ህዝቢ እዚ ግና ነቓጽን ዓላውን ልቢ ኣለዎ፣ኣልጊሶም ብመገዶም ከይዶም እዮም።+ 24 ብልቦም ከኣ ከምዚ ኣይብሉን፦ “ነቲ ብግዜኡ ዝናም፡ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ዚህብ፡ነቲ ምዱብ ሰሙናት ቀውዒ ዚሕልወልና+የሆዋ ኣምላኽና ንፍርሃዮ።” 25 ስሕተትኩም ነዚ ነገራት እዚ ኸይመጽእ ከልኪልዎ፣ሓጢኣትኩም ከኣ ጽቡቕ ዘበለ ኸሊእኩም።+ 26 ኣብ መንጎ ህዝበይሲ እኩያት ኣለዉ። ከምቲ ኣፈንጠርቲ ዑፍ ዜድብዩ፡ ይጸናተዉ ኣለዉ። ቀታሊ መጻወድያ የጻውዱ። ሰብ ከኣ ይሕዙ። 27 ከምታ ብኣዕዋፍ ዝመልአት እንዳ ዑፍ፡ከምኡ ድማ ኣባይቶም ብምትላል ዝመልአ እዩ።+ ስለዚ እዮም ሓያላትን ሃብታማትን ዝዀኑ። 28 ስቡሓትን ልሙጻትን ኰይኖም ኣለዉ፣ብኽፉእ ጀርቢቦም ኣለዉ። ኣሳልጦ ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ንጕዳይ ዘኽታም ኣይማጐቱሉን እዮም፣+ንድኻታት እውን ፍትሒ ይኸልእዎም።’”+ 29 “በዚ ነገር እዝስ ተሓተትቲዶ ኣይገብሮምን እየ፧” ይብል የሆዋ። “ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝብስ ሕነይዶ ኣይፈድን እየ፧* 30 ኣብታ ምድሪ ጉድን ዜስካሕክሕን ኰይኑ፦ 31 ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፣+ካህናት ከኣ ብስልጣኖም ይገዝኡ። ህዝበይ ድማ ነቲ መገዲ እቲ ፈትይዎ ኣሎ።+ መወዳእታ ምስ መጸ ግዳ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧” 21 ንጉስ ጼዴቅያስ+ ንጳሽሑር+ ወዲ ማልክያን ንጸፎንያስ+ ወዲ ማዓስያ እቲ ኻህንን፡ ንኤርምያስ ኪሓትትዎ ኢሉ ምስ ለኣኾም፡ ናብ ኤርምያስ ቃል የሆዋ መጸ። 2 ንሳቶም ድማ፡ “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ይዋግኣና ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ሕተተልና።+ ንሱ ኻባና ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ምናልባት የሆዋ ሓደ ኻብቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ይገብረልና ይኸውን” በልዎ።+ 3 ኤርምያስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ንጼዴቅያስ ከምዚ በልዎ፦ 4 ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ነቲ ምስ ንጉስ ባቢሎንን+ ምስቶም ኣብ ወጻኢ እቲ መካበብያ ኸቢቦምኹም ዘለዉ ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ዘለኹም ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ውግእ፡ ኣንጻርኩም እመልሶ* ኣለኹ። ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ክእክቦ እየ። 5 ኣነ ባዕለይ ከኣ ብዝርግሕቲ ኢድን ብሓያል ቅልጽምን፡ ብዅራን ብነድርን ብዓብዪ ቝጥዓን ክዋግኣኩም እየ።+ 6 ንነበርቲ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ንሰብ ኰነ ንእንስሳ፡ ክወቅዕ እየ። ብብርቱዕ ለበዳ* ኸኣ ኪሞቱ እዮም።”’+ 7 “‘“ድሕርዚ፡” ይብል የሆዋ፡ “ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንገላዉኡን ንህዝቢ እዛ ኸተማ እዚኣን፡—ነቶም ካብ ለበዳን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ዝተረፉ፡—ናብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ክህቦም እየ።+ ንሱ ድማ ብሰይፊ ኪቐትሎም እዩ። ኣይኪድንግጸሎምን፡ ኣይኪርሕርሓሎምን፡ ኣይኪምሕሮምን እዩ።”’+ 8 “ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ። 9 እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚጸንሑ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኪሞቱ እዮም። ወጺኡ ናብቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ከለዳውያን ኢዱ ዚህብ ዘበለ ግና፡ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ህይወቱ ድማ ምርኮኡ ኽትኰነሉ እያ።”’*+ 10 “‘“ንጽቡቕ ዘይኰነስ፡ ንመዓት፡ ገጸይ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ገይረ ኽጻረራ እየ”+ ይብል የሆዋ። “ንሳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ፡+ ንሱ ድማ ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።”+ 11 “‘ንቤተ ሰብ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፦ ቃል የሆዋ ስምዑ። 12 ኣቱም ቤት ዳዊት፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንግሆ ንግሆ፡ ፍትሒ ኣውጽኡ፣ብሰንኪ እኩይ ተግባራትኩም፡ነድረይ ከም ሓዊ ኸይባራዕ እሞ+ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኸይነድድሲ፡ነቲ ዚዝመት ዘሎ ኻብ ኢድ ዓማጺ ኣናግፍዎ።”’+ 13 ‘ኣቲ ኣብ ስንጭሮ፡*ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ፡ እነኹ ኣንጻርኪ እየ’ ይብል የሆዋ። ‘ኣቱም፡ “መን ኣንጻርና ኺወርድ እዩ፧ መንከ ንመንበሪና ኺወርር እዩ፧” እትብሉ፡ 14 ኣነ ኸምቲ ንግብርኹም ዚግብኦ ገይረተሓተትቲ ኽገብረኩም እየ’ ይብል የሆዋ።+ ‘ንዱራ ኸባርዖ፡ንሱ ድማ ኣብ ዙርያኣ ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ።’”+ 15 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ዚቘሙ፡+ ነዚ ህዝቢ እዚ ሞገስ ኣይመርኣኽዎን።* ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም። ይኺዱ። 2 ‘ናበይ ክንከይድ ኢና፧’ እንተ ኢሎምኻ ድማ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንመቕዘፍቲ እተመደበ፡ ናብ መቕዘፍቲ! ንሰይፊ እተመደበ፡ ናብ ሰይፊ!+ ንጥሜት እተመደበ፡ ናብ ጥሜት! ንምርኮ እተመደበ ኸኣ፡ ናብ ምርኮ!”’+ 3 “‘ኣብ ልዕሊኦም ድማ ኣርባዕተ መዓት፡*+ ሰይፊ ንምቕታል፡ ኣኽላባት ንምጕታት፡ ኣዕዋፍ ሰማያትን ኣራዊት ምድርን ንምብላዕን ንምጥፋእን ክሸይም እየ’ ይብል የሆዋ።+ 4 ‘ብሰሪ ምናሴ ወዲ ህዝቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡+ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ።+ 5 ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ኪርሕርሓልኪ እዩ፧ መን ኪድንግጸልኪ እዩ፧ ብዛዕባ ድሕንነትኪኸ መን ኪሓትተልኪ እዩ፧’ 6 ‘ጠንጢንክኒ’ ይብል የሆዋ።+ ‘ዝባንኪ መሊስክለይ ኣለኺ።*+ ስለዚ፡ ኢደይ ዘርጊሐ ኸጥፍኣኪ እየ።+ ንዓኺ ብምድንጋጽ* ደኺመ ኣለኹ። 7 ኣብ ኣፍ ደገታት እታ ምድሪ ብመስአ ኸዝርዎም እየ። ውሉድ ከስእኖም እየ።+ ካብ መገድታቶም ምምላስ ስለ ዝኣበዩ፡+ንህዝበይ ከጥፍኦም እየ። 8 መበለታቶም ኣብ ቅድመይ ካብ ሑጻ ባሕርታት ኪበዝሓ እየን። ብቐትሪ ኣባታቶም፡ ኣብ ኣዴታትን ኣብ ኣጕባዝን፡ መጥፍኢ ኸምጽእ እየ። ብሃንደበት ነውጽን ሽበራን ከምጽኣሎም እየ። 9 ሸውዓተ ዝወለደት ሰበይቲ ደኺማ ኣላ፣ትንፋስ ሓጺርዋ ኣሎ።* ገና መዓልቲ ኸሎ፡ ጸሓያ ዓሪባ ኣላ፣እዚ ኸኣ ኣሕፊርዋን ኣዋሪድዋን ኣሎ።’* ‘ነቶም ሒደት ተረፎም ድማ፡ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ’ ይብል የሆዋ።”+ 10 ኣቲ ኣደይ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኣደዳ ቘየቛን ባእስን ክኸውንሲ፡ንዓይ ስለ ዝወለድኪ፡ ወይለይ!+ ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ፡ኵላቶም ይረግሙኒ ኣለዉ። 11 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ብርግጽ ንጽቡቕ ከገልግለካ እየ፣ብግዜ መዓት ብርግጽ ክልምነልካ፡ብግዜ ጭንቂ ንጸላኢ ኽልምነልካ እየ። 12 ሓጺን ኪሰብር፡ሓጺን ሰሜንን ነሓስን ኪሰብር ዚኽእልዶ ኣሎ፧ 13 ብሰሪ እቲ ኣብ ብዘሎ ሃገርካ ዝገበርካዮ ዅሉ ሓጢኣትካ፡ጥሪትካን መዛግብትኻን ንዘመተ ኽህብ እየ።+ 14 ብቝጥዓይ ሓዊ ተባሪዑ፡ኣባኻትኩም ድማ ይነድድ ኣሎ እሞ፡+ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ኪወስድዎስ፡+ንጸላእትኻ ኽህቦም እየ።” 15 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ትፈልጥ፣ዘክረኒ፡ ቈላሕታኻ ድማ ግበረለይ። ንሰጐጕተይ ሕነ ፍደየለይ።+ ንዅራ ደንጓዪ ብምዃንካ፡ ክጠፍእ ኣይትሕደገኒ።* ስለኻ ኢለ እዚ ጸርፊ እዚ ኸም ዝጾርኩ ፍለጥ።+ 16 ቃላትካ ተረኺቡ፡ ኣነ እውን በሊዐዮ፣+ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ብስምካ ተጸዊዐ እየ እሞ፡ቃልካ ፍስሃን ሓጐስ ልበይን ኰይኑኒ። 17 ኣብ ኣኼባ መስሓቕቲ ኣይቅመጥን፡ ምሳታቶም እውን ኣይሕጐስን እየ።+ ኢድካ ኣብ ልዕለይ ስለ ዝዀነት፡ብቝጥዓ* መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡+ በይነይ እየ ዝቕመጥ። 18 ስለምንታይ እዩ ስቓየይ ዘየቋርጽ፡ ቍስለይ ከኣ ዘይሓዊ፧ ምሕዋይ ኣብዩ። ከም ዘየተኣማምን መታለሊ ቐረብ ማይዶክትኰነኒ ኢኻ፧ 19 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንተ ተመሊስካ፡ ክመልሰካ እየ፣ኣብ ቅድመይ ከኣ ክትቀውም ኢኻ። ክቡር ካብ ከንቱ እንተ ፈሊኻ፡ከም ኣፈይ* ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ኺምለሱ እዮም እምበር፡ንስኻስ ናባታቶም ኣይክትምለስን ኢኻ።” 20 “ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እተዓርደ መንደቕ ነሓሲ ኽገብረካ እየ።+ ንሳቶም ብርግጽ ኪዋግኡኻ እዮም፣ግናኸ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፣+‘ከናግፈካስ ኣነ ምሳኻ እየ’ ይብል የሆዋ።” 21 “ካብ ኢድ እኩያት ድማ ከናግፈካ፡ካብ ኢድ ጨካናት ከኣ ክብጀወካ እየ።” 22 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ናብ ቤት* ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብጽሕ። 2 ከምዚ ኸኣ በል፦ ‘ኣታ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፡ ንስኻ ምስቶም በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን ዚኣትዉ ገላዉኻን ህዝብኻን፡ ቃል የሆዋ ስማዕ። 3 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ፍትሕን ጽድቅን ግበር። ንዚዝመት ዘሎ ኻብ ኢድ ዓማጺ ኣናግፍ። ንጓና ኣይትግፋዕ፣ ንዘኽታም* ወይ ንመበለት ከኣ ኣይትጕዳእ።+ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እውን ንጹህ ደም ኣይተፍስስ።+ 4 ነዚ ቓል እዚ ተጠንቂቕካ እንተ ፈጺምካዮ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት+ ዚቕመጡ ነገስታት፡ ንሳቶምን ገላዉኦምን ህዝቦምን ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተወጢሖም ብኣፍ ደገታት እዛ ቤት እዚኣ ኺኣትዉ እዮም።”’+ 5 “‘ነዘን ቃላት እዚአን እንተ ዘይተኣዚዝካየን ግና፡ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፡’ ይብል የሆዋ፡ ‘እዛ ቤት እዚኣ ዑና ኽትከውን እያ።’+ 6 “የሆዋ ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንስኻ ንዓይ ከም ጊልዓድ፡ከም ርእሲ ሊባኖስ ኢኻ። ኣነ ግና በረኻ ኽገብረካ እየ፣ዋላ ሓንቲ ኻብ ከተማታትካ እኳ ነበርቲ ኣይኪህልዋን እዩ።+ 7 መጥፋእቲ ኽሸመልካ* እየ፣ነፍሲ ወከፍ ከኣ መምስ ኣጽዋሩ ኺመጽእ እዩ።+ ንሕሩይ ቄድሮሳትካ ኪቘርጽዎ፡ናብ ሓዊ እውን ኬውድቕዎ እዮም።+ 8 “‘ብዙሓት ኣህዛብ ከኣ በዛ ኸተማ እዚኣ ኺሓልፉ፡ ንሓድሕዶም ድማ፡ “ስለምንታይ እዩ የሆዋ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ፧” ኪባሃሃሉ እዮም።+ 9 “ኪዳን የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ” ኢሎም ከኣ ኪምልሱ እዮም።’+ 10 ንምዉት ኣይትብከዩሉ፡ኣይትሕዘኑሉ እውን። ንዚኸይድ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ፣ንሱስ ነታ እተወልደላ ምድሪ ኺርኢ ኣይኪምለስን እዩ። 11 “የሆዋስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ+ ዝነገሰን ካብዛ ቦታ እዚኣ ዝወጸን ሻሉም*+ ወዲ ዮስያስ ከምዚ ይብል፦ ‘ናብኣ ኣይኪምለስን እዩ። 12 ኣብታ ናብ ምርኮ ዝወሰድዎ ቦታ ደኣ ኺመውት እዩ፣ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ደጊም ኣይኪርእያን እዩ።’+ 13 እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ፡ንደርቡ ድማ ብዘይ ፍትሒ ዚሃንጽ፡ንብጻዩ ብኸንቱ ኸም ዚግዝኦ ዚገብር፡ዓስቡ ኸኣ ምኽፋሉ ዚኣቢ፡ ወይለኡ፣+ 14 ንሱስ፡ ‘ገፋሕቲ ደርብታት ዘለዋርሕብቲ ቤት ክሃንጽ እየ። መሳዅቲ ኽገብረላ፡ብቄድሮስ ክረብባ፡ ብቐይሕ ቀለም ከኣ ክለኽያ እየ’ ይብል። 15 ንቄድሮስ ካብ ካልኦት ብዝሓሸ ስለ እተጠቐምካሉስ፡ ብንግስናኻዶ ኽትቅጽል ኢኻ፧ ኣቦኻ እውን ይበልዕን ይሰትን ነይሩ፣ግናኸ፡ ፍትሕን ጽድቅን ይገብር ነይሩ፣+ጽቡቕ ድማ ኰይኑሉ። 16 ንጕዳይ ውጹዕን ድኻን ተጣቢቑ፣ስለዚ፡ ጽቡቕ ኰይኑ። ‘እዝስ ንዓይ ምፍላጥ ማለት ደይኰነን፧’ ይብል የሆዋ። 17 ‘ኣዒንትኻን ልብኻን ግና ኣብቲ ዘይግቡእ ረብሓኻ፡ኣብ ምፍሳስ ደም ንጹህ፡ኣብ ምዕማጽን ኣብ ምዝማትን ዘተኰረ እዩ።’ 18 “ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ከምዚ ይብል፦ ‘“ዋይ፡ ሓወይ! ዋይ፡ ሓብተይ!” ኢሎምኣይኬልቅሱሉን እዮም። “ኣየ፡ ጐይታ! ኣየ፡ ግርማ!” ኢሎምኣይኬልቅሱሉን እዮም። 19 ከም ኣቃብራ ኣድጊ ኪቐብርዎ፡+ጐቲቶም ወሲዶም፡ብኽንየው ኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም።’+ 20 ኵሎም እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኽስ ተጨፍሊቖም እዮም እሞ፡+ናብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፣ኣብ ባሳን ድምጽኺ ዓው ኣብሊ፣ካብ ዓባሪም እውን ኣእውዪ።+ 21 ድሕንነት ኪስምዓኪ ኸሎ፡ ተዛረብኩኺ። ንስኺ ግና፡ ‘ኣይእዘዝን እየ’ በልኪ።+ ንድምጸይ ኣይተኣዘዝክን እሞ፡+እዝስ ካብ ንእስነትኪ ኣትሒዙ ዝነበረ መገድኺ እዩ። 22 ንዅሎም ጓሶትኪ ንፋስ ኪጓስዮም እዩ፣+እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኺ ድማ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም። ሽዑ፡ ብሰሪ እቲ ዅሉ መዓትኪ፡ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ። 23 ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትቕመጢ፡+ኣቲ ኣብ መንጎ ቄድሮሳት እትሰፍሪ፡+ቅልውላው ምስ መጸኪ፡ከም እትወልድ ሰበይቲ ቕልውላው ምስ ሓዘኪ፡ ከመይ ኰን ክትግዕሪ ኢኺ!+ 24 “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ቀለቤት ማሕተም ነይሩ እኳ እንተ ዚኸውን፡ ካብኡ መውጻእኩኻ! 25 ኣብ ኢድ እቶም ንህይወትካ* ዚደልይዋን ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆምን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።+ 26 ንዓኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ዘይተወለድኩምላ ኻልእ ምድሪ ኽድርብየኩም እየ፣ ኣብኡ እውን ክትሞቱ ኢኹም። 27 ናብታ ዚናፍቕዋ* ምድሪ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪምለሱን እዮም።+ 28 እዚ ኮንያ ዚብሃል ሰብኣይ እዚ ንዑቕን ስቡርንሓደ እኳ ዘይደልዮን ኣቕሓ ድዩ፧ ስለምንታይ እዮም ንሱን ዘርኡን እተደርበዩ፡ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ እውን እተሰንደዉ፧’+ 29 ኣቲ ምድሪ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ቃል የሆዋ ስምዒ። 30 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሓደ ኻብ ዘርኡ እኳ ሰሊጥዎስ፡ኣብ ዝፋን ዳዊት ኣይኪቕመጥን፡ ኣብ ይሁዳ እውን ደጊም ኣይኪገዝእን እዩ እሞ፡እዚ ሰብኣይ እዚ ውሉድ ከም ዘይብሉ፡ብዘመኑ* ኸም ዘይሰለጦ ሰብ ጌርኩም ጽሓፍዎ።’”+ 42 ሽዑ፡ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ዮሓናን+ ወዲ ቃሬሃን የዘንያ ወዲ ሆሻዕያን ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ቀሪቦም 2 ንነብዪ ኤርምያስ ከምዚ በልዎ፦ “ከምዚ እትርእዮ፡ ካብ ብዙሓትሲ ሒደት እዮም ተሪፎም እሞ፡+ በጃኻ ንናይ ሞገስ ልማኖና ስማዕ፡ ምእንታና፡ ምእንቲ ዅሉ እዚ ተረፍ ድማ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ጸሊ። 3 የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ክንከደላ ዚግብኣና መገድን እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣናን ይንገረና።” 4 ነብዪ ኤርምያስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሰሚዐኩም ኣለኹ፣ ከም ሕቶኹም ከኣ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ክጽሊ እየ፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ዚምልሰልኩም ቃላት ድማ፡ ክነግረኩም እየ። ሓንቲ ቓል እኳ ኣይክሓብኣልኩምን እየ።” 5 ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ብኣኻ ኣቢሉ ኽንገብሮ ዚእዝዘና እንተ ዘይጌርናስ፡ የሆዋ ኣንጻርና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹን። 6 ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና ብምእዛዝና ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልና፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ፡ ድምጺ እቲ ናብኡ እንልእከካ ዘለና የሆዋ ኣምላኽና ኽንእዘዝ ኢና።” 7 ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ። 8 ንሱ ድማ ንዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ጸዊዑ፡+ 9 ከምዚ በሎም፦ “እቲ ናይ ሞገስ ልማኖኹም ኣብ ቅድሚኡ ከቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ 10 ‘በቲ ዘምጻእኩልኩም መዓት ክጥዓስ* እየ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንተ ጸኒሕኩም፡ ክሃንጸኩም እምበር፡ ኣይከፍርሰኩምን እየ፣ ክተኽለኩም እምበር፡ ኣይክምሕወኩምን እየ።+ 11 ብሰንኪ እቲ እትፈርህዎ ንጉስ ባቢሎን፡ ኣይትፍርሁ።’+ “‘ኣነ ኻብ ኢዱ ኸድሕነኩምን ከናግፈኩምን ምሳኻትኩም እየ እሞ፡ ብሰንኩ ኣይትፍርሁ’ ይብል የሆዋ። 12 ‘ኣነ ድማ ክምሕረኩም እየ፣+ ንሱ እውን ኪምሕረኩምን ናብ ምድርኹም ኪመልሰኩምን እዩ። 13 “‘ግናኸ፡ “ኣይፋልናን፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣይንጸንሕን ኢና!” እንተ ኢልኩም፡ ንድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ እንተ ዘይተኣዚዝኩም፡ 14 “ኣይፋልናን፡ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላን ደሃይ መለኸት ዘይንሰምዓላን እንጌራ ዘይንጠምየላን ምድሪ ግብጺ ደኣ ኽንከይድ፡+ ኣብኣ እውን ክንነብር ኢና” ድማ እንተ ኢልኩም፡ 15 እምበኣር፡ ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ናብ ግብጺ ኽትከዱን ኣብኡ ኼድኩም ክትነብሩን* ፈጺምኩም እንተ ቘሪጽኩም፡ 16 ሽዑ እቲ እትፈርህዎ ሰይፊ ኣብኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኼርክበኩም፡ እቲ እትፈርህዎ ጥሜት ከኣ ናብ ግብጺ ኺስዕበኩም፡ ኣብኣ ድማ ክትሞቱ ኢኹም።+ 17 ኵሎም እቶም ኣብኣ ኺነብሩ ናብ ግብጺ ኪኸዱ ዝቘረጹ ሰባት ከኣ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ኪሞቱ እዮም። ካብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓትሲ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን ወይ ኣይኬምልጥን እዩ።”’ 18 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ቝጥዓይን ነድረይን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌም እተኻዕወ፡+ ከምኡ ድማ ናብ ግብጺ እንተ ኼድኩም፡ ነድረይ ኣባኻትኩም ኪክዖ እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ መርገምን መሰክሕን መራገምን መጻረፍን ክትኰኑ ኢኹም፣+ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ደጊም ከቶ ኣይክትርእይዋን ኢኹም።’ 19 “ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ የሆዋ ተዛሪቡኩም ኣሎ። ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ። ኣነ ሎሚ ኸም ዘጠንቀቕኩኹም ብርግጽ ፍለጡ፣ 20 ስሕተትኩም ህይወትኩም* ከም ዜስእነኩም እውን ብርግጽ ፍለጡ። ‘ምእንታና ናብ የሆዋ ኣምላኽና ጸሊ፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚብሎ ኸኣ ንገረና፣ ንሕና እውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩምሲ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም።+ 21 ኣነ ድማ ሎሚ ነጊረኩም ኣለኹ፣ ንስኻትኩም ግና ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣይክትእዘዙን፡ ከም ኵሉ እቲ ኽነግረኩም ዝለኣኸኒ እውን ኣይክትገብሩን ኢኹም።+ 22 ስለዚ፡ ኣብታ ኼድኩም ክትነብሩላ እትምነይዋ ዘለኹም ቦታ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ከም እትሞቱ ብርግጽ ፍለጡ።”+ 39 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን ናብ የሩሳሌም መጺኦም ከበብዋ።+ 2 ኣብ መበል 11 ዓመት ጼዴቅያስ፡ ኣብ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንመካበብያ እታ ኸተማ ብሓደ ቦታ ኣፍረስዎ።+ 3 ኵሎም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ፡ ማለት ኔርጋል-ሸሬጽር እቲ ሳምጋርን ኔቦ-ሳርስኪም እቲ ራብሳሪስን* ኔርጋል-ሸሬጽር እቲ ራብማግን* ኵሎም ዝተረፉ መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎንን፡ ኣትዮም ኣብ ማእከለይቲ ኣፍ ደገ ተቐመጡ።+ 4 ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኵሎም ተዋጋእቱን ምስ ረኣይዎም፡ ብለይቲ ብስፍራ ኣታኽልቲ ንጉስ፡ ኣብ መንጎ ድርብ መካበብያ ብዘሎ ኣፍ ደገ ኣቢሎም ካብታ ኸተማ ወጺኦም ሃደሙ፣+ ብመገዲ ዓራባ ኸኣ ከዱ።+ 5 ሰራዊት ከለዳውያን ግና ደድሕሪኦም ሰዓቡ፣ ንጼዴቅያስ ድማ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ያሪኮ ኣርከብዎ።+ ንዕኡ ሒዞም ከኣ ናብ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ሓማት+ ዘላ ሪብላ+ ኣደየብዎ፣ ንሱ ድማ ፈረዶ። 6 ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንደቂ ጼዴቅያስ ኣብኡ ኣብ ሪብላ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኣሕረዶም፣ ንጉስ ባቢሎን ድማ ንዅሎም ልዑላን ይሁዳ ኣሕረዶም።+ 7 ንኣዒንቲ ጼዴቅያስ ከኣ ኣዖሮ፣ ድሕሪኡ፡ ብመቝሕ ነሓሲ ኣሲሩ፡ ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ።+ 8 እቶም ከለዳውያን ድማ ንቤት* ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣንደድወን፣+ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ኣፍረሱ።+ 9 ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝብን ነቶም ናብኡ ሰሊሞም ዝነበሩ ኸዳዓትን ነቶም ዝተረፉ ዘበሉ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 10 ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና፡ ንገለ ኻብቶም ድኻታት ህዝቢ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ሓደጎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኪዓይይዎ* ኢሉ ኣታኽልቲ ወይንን ግራውትን ሃቦም።+ 11 ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ብዛዕባ ኤርምያስ እዚ ትእዛዛት እዚ ሃቦ፦ 12 “ውሰዶ እሞ ተኸናኸኖ፣ ኣይትጕድኣዮ፡ ዚሓትተካ ዘበለ እውን ግበረሉ።”+ 13 ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታትን ናቡሻዝባን እቲ ራብሳሪስን* ኔርጋል-ሸሬጽር እቲ ራብማግን* ኵሎም ኣውራታት ንጉስ ባቢሎንን ከኣ ልኢኾም 14 ንኤርምያስ ካብ ኣጸድ ሓለውቲ ወሰድዎ፣+ ንገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ድማ፡ ናብ ቤቱ ኺወስዶ ሃብዎ። ስለዚ፡ ንሱ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተቐመጠ። 15 ኤርምያስ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ተኣሲሩ ኸሎ፡+ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጾ፦ 16 “ኪድ እሞ ንዔቤድ-ሜሌክ+ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ነተን ቃላተይ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንጽቡቕ ዘይኰነስ ንመዓት እፍጽሞ ኣለኹ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኪኸውን ከሎ ኽትርእዮ ኢኻ።”’ 17 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ከናግፈካ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆም ሰባት እውን ኣይክትውሃብን ኢኻ።’ 18 “‘ብርግጽ ከም እተምልጥሲ ኽገብረካ እየ፣ ብሰይፊ ድማ ኣይክትወድቕን ኢኻ። ብኣይ ስለ እተኣመንካ፡+ ህይወትካ ምርኮኻ ኽትኰነልካ እያ’*+ ይብል የሆዋ።” 3 ኣነ ብሻቦጥ ነድሩ ጸበባ ዝረኣኹ ሰብኣይ እየ። 2 ንሱ ሰጒጉኒ፡ ብብርሃን ዘይኰነስ፡ ብጸልማት ኣኺዱኒ።+ 3 ብሓቂ፡ ምሉእ መዓልቲ ብተደጋጋሚ ኢዱ ኣንጻረይ የምጽኣ ኣሎ።+ 4 ንስጋይን ንቘርበተይን ኣብልይዎ፣ንኣዕጽምተይ ሰይርዎ። 5 ከቢቡኒ፣ ብመሪር መርዝን+ ሽግርን ከቢቡኒ። 6 ቀደም ከም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ጸልማት ክቕመጥ ገዲዱኒ። 7 ከየምልጥሲ ብመንደቕ ዓጽዩኒ፣ብኸበድቲ መቓውሕ ነሓሲ ኣሲሩኒ።+ 8 ኣምሪረ ምስ ኣእወኹ፡ ንጸሎተይ ነጺግዎ።*+ 9 ንጐደናታተይ ብውቑር ኣእማን ዓጽይዎ፣ንመገድታተይ ጠዋውይዎ።+ 10 ከም ድቢ፡ ከም እተሓብአ ኣንበሳ የድብየለይ ኣሎ።+ 11 ካብ መገድታተይ ኣውጺኡንን ሰላሊዑንን* ኣሎ፣ኣብሪሱኒ ኣሎ።+ 12 ቀስቱ ገቲሩ፡* ዕላማ ፍላጻ ገይሩኒ ኣሎ። 13 ብፍላጻታት* ጕልድባኡ ዀላሊተይ ወጊኡኒ። 14 ንዅሎም ህዝብታት መስሓቒ ዀይነ፡ ምሉእ መዓልቲ መድረፊኦም ኰይነ። 15 ብመሪር ኣጽጊቡኒ፡ ብዕረ ኣርውዩኒ።+ 16 ኣስናነይ ብጸጸር ሰይሩ፣ኣብ ሓምዅሽቲ ኸም ዚዅርመ ገይሩኒ።+ 17 ሰላም ከሊእካኒ፣* ጽቡቕ ዘበለ ድማ ረሲዐዮ። 18 ስለዚ፡ “ግርማይን ኣብ የሆዋ ዘሎኒ ትጽቢተይን ጠፊኡ” እብል ኣለኹ። 19 ጸበባይን ቤት ኣልቦነተይን፡+ እቲ ዕረን መሪር መርዝን ዘክር።+ 20 ብርግጽ ክትዝክሮን ናባይ ክትደንንን ኢኻ።*+ 21 እዚ ኣብ ልበይ ትዝ ይብለኒ እዩ፣ ስለዚ እየ ዝጽበ።+ 22 ሳላ እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኢና ዘይተወዳእና፣+ምሕረቱስ ከቶ ኣይውዳእን እዩ።+ 23 ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፣+ ተኣማንነትካ ብዙሕ እዩ።+ 24 “የሆዋ ግደይ እዩ፣+ ስለዚ እየ ንዕኡ ዝጽበዮ”+ እብል ኣለኹ።* 25 የሆዋ ብእኡ ተስፋ ንዚገብር፡+ ንዚደልዮ ሰብ* ሰናይ* እዩ።+ 26 ንድሕነት የሆዋ+ ስቕ ኢልካ* ምጽባይ ሰናይ እዩ።+ 27 ሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ኪጸውር ሰናይ እዩ።+ 28 ንሱ ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፡ ስቕ ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።+ 29 ኣፉ ኣብ ሓመድ ይግበር፣+ ተስፋ ኺህሉ ይኽእል እዩ።+ 30 ምዕጕርቱ ንወቓዒ ይሃብ፣ ጸርፊ እውን ይጽገብ። 31 የሆዋስ ንዘለኣለም ኣይድርብየናን እዩ።+ 32 ዋላ እኳ እንተ ኣጕሃየ፡ ከም ብዝሒ እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እውን ይምሕር እዩ።+ 33 ንደቂ ሰብ ኪገፍዕ ወይ ኬጕህስ ኣብ ልቡ ኣይኰነን።+ 34 ንዅሎም እሱራት ምድሪ ኣብ ትሕቲ እግሪ ምጭፍላቕ፡+ 35 ንሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑል ፍትሒ ምኽላእ፡+ 36 ንሰብ ኣብ ጕዳዩ ምዕማጽ፡—የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ነገራት ኣይጻወሮን እዩ። 37 የሆዋ እንተ ዘይኣዚዙ፡ መን ተዛሪቡስ ኬኽውን ይኽእል፧ 38 ክፉእን ጽቡቕንካብ ኣፍ እቲ ልዑል ብሓደ ኣይወጽእን እዩ። 39 ስለምንታይ ደኣ እዩ ህያው ሰብ ብዛዕባ ሳዕቤናት ሓጢኣቱ ዜማርር፧+ 40 መገድታትና ንዳህስስን ንመርምርን፣+ ናብ የሆዋ ድማ ንመለስ።+ 41 ልብና ምስ ኣእዳውና ናብ ኣምላኽ ናብ ሰማያት ነልዕል።+ 42 “ኣቢስናን ዓሊናን ኢና፣+ ንስኻ እውን ይቕረ ኣይበልካን።+ 43 ከይንቐርብ ብቝጥዓ ጋሪድካና፣+ስዒብካ ብዘይ ምሕረት ቀቲልካና።+ 44 ጸሎትና ኸይሓልፍሲ፡ ብደበና ተጋሪድካ።+ 45 ኣብ መንጎ ህዝብታት ጐዱፍን ጐሓፍን ጌርካና።” 46 ኵሎም ጸላእትና ኣፎም ይኸፍቱልና ኣለዉ።+ 47 ራዕድን ጕድጓድን፡+ ብርሰትን መስበርትን ዕጫና ዀይኑ።+ 48 ብመስበርቲ ጓል ህዝበይ፡ ወሓይዝ ማይ ካብ ኣዒንተይ ይውሕዝ ኣሎ።+ 49 ኣዒንተይ ከየቋረጻን ከየዕረፋን ይነብዓ ኣለዋ።+ 50 የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣንቈልቊሉ ኽሳዕ ዚጥምትን ዚርእን ይነብዓ ኣለዋ።+ 51 ብሰንኪ ዅለን ኣዋልድ ከተማይ፡ ኣዒንተይ ጓሂ ኣምጺአናለይ* ኣለዋ።+ 52 ጸላእተይ ብዘይ ምኽንያት ከም ዑፍ ይሃድኑኒ ኣለዉ። 53 ንህይወተይ ኣብ ጕድጓድ ኣጥፊኦምዋ፣ ኣእማን ከኣ ይድርብዩለይ ኣለዉ። 54 ማያት ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ውሒዙ፣ ኣነ ድማ “ጠፋእኩ!” ኢለ። 55 ኦ የሆዋ፡ ካብ መዓሙቝ ጕድጓድ፡ ስምካ ጸዊዐ።+ 56 ድምጸይ ስማዕ፣ ነቲ ራህዋ ደልየ ዘእውዮ ኣውያት እዝንኻ ኣይትዕጾ። 57 በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ ቐሪብካ። “ኣይትፍራህ” ኢልካ። 58 ኦ የሆዋ፡ ንጕዳየይ* ተጣቢቕካለይ፡ ንህይወተይ ከኣ ተበጂኻያ ኢኻ።+ 59 ኦ የሆዋ፡ እተበደልክዎ ርኢኻ ኢኻ፣ በጃኻ ፍትሒ ኣውጽኣለይ።+ 60 ኵሉ ሕነኦምን ኵሉ እቲ ዝሓሰቡለይ ተንኰልን ርኢኻ ኢኻ። 61 ኦ የሆዋ፡ ባጫኦምን ኵሉ እቲ ዝሓሰቡለይ ተንኰልን ሰሚዕካ ኢኻ።+ 62 ከናፍር ተጻረርተይን እቲ ምሉእ መዓልቲ ዜሕሸዅሽዅለይን ሰሚዕካ ኢኻ። 63 ጠምቶም፣ ኪቕመጡ ዀነ ኺትንስኡ ኸለዉ፡ ብደርፎም የላግጹለይ ኣለዉ። 64 ኦ የሆዋ፡ ከም ግብርታቶም ክትፈድዮም ኢኻ። 65 ክትረግሞም ከለኻ፡ ተሪር ዝልቦም ክትገብሮም ኢኻ። 66 ብቝጥዓኻ ኽትሰጕጎም፡ ካብ ትሕቲ ሰማያት የሆዋ ድማ ከተጥፍኦም ኢኻ። 1 እዛ ህዝቢ መሊእዋ ዝነበረት ከተማስ ከመይ ኰን እያ በይና እትቕመጥ ዘላ!+ እዛ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ብዙሕ ህዝቢ ዝነበራስ ከመይ ኰን እያ ኸም መበለት ዝዀነት!+ እዛ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረትሲ ኸመይ ኰን እያ ብግዲ እትሽቅል ዝዀነት!+ 2 ለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፡+ ንብዓት ድማ ኣብ መዓጕርታ ይውሕዝ ኣሎ። ካብ ኵሎም እቶም ዜፍቅርዋስ ሓደ እኳ ዜጸናንዓ የልቦን።+ ኵሎም ብጾታ ጠሊሞምዋ፣+ ጸላእታ ዀይኖም። 3 ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ጸበባን ብርቱዕ ባርነትን+ ናብ ምርኮ ኸይዳ።+ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክትቅመጥ ኣለዋ፣+ መዕረፊ ኣይረኸበትን። ኵሎም ሰጐጕታ ብግዜ ጭንቃ ኣርኪቦምዋ። 4 ናብ በዓል ዚመጽእ የልቦን እሞ፡ መገድታት ጽዮን ይሓዝን ኣሎ።+ ኵሉ ኣፍ ደገታታ ባዲሙ ኣሎ፣+ ካህናታ እህህ ይብሉ ኣለዉ። ደናግላ* ጕህየን ኣለዋ፣ ንሳ እውን ኣብ መሪር ሓዘን ኣላ። 5 ተጻረርታ ጐይታኣ* ዀይኖም ኣለዉ፣ ጸላእታ ቕሱናት ኰይኖም ኣለዉ።+ የሆዋስ ብሰሪ እቲ ብዙሕ ኣበሳኣ ጓሂ ኣምጺኡላ እዩ።+ ደቃ ቐቅድሚ ተጻራሪ ናብ ምርኮ ኸይዶም እዮም።+ 6 ኵሉ ግርማ ኻብ ጓል ጽዮን ኣልጊሱ እዩ።+ መሳፍንታ መጓሰዪ ኸም ዝሰኣኑ እራባት እዮም፣ኣብ ቅድሚ ሰጓጒ ሓይሎም ተጸንቂቕዎም ይኸዱ። 7 የሩሳሌም ብመዓልትታት ጸበባኣን ቤት ኣልቦነታን፡ነቲ ብመዓልትታት ቀደም ዝነበራ ኽቡር ነገራት ትዝክር ኣላ።+ ህዝባ ኣብ ኢድ ተጻራሪ ምስ ወደቑን ረዳኢ ዘይብላ ምስ ኰነትን፡+ተጻረርታ ርእዮምዋስ ብውድቀታ ስሒቖም።*+ 8 የሩሳሌም ዓብዪ ሓጢኣት ገይራ እያ።+ ስለዚ እያ ፍንፍንቲ ዝዀነት። ኵሎም እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ፡ ዕርቃና ርእዮም እዮም እሞ፡ ንዒቖምዋ።+ ንሳ እውን ትግዕርን+ ብሕፍረት ዝባና ትመልስን ኣላ። 9 ርኽሰታ ኣብ ወሰናት ክዳና ኣሎ። ብዛዕባ መጻኢኣ ኣይሓሰበትን።+ ውድቀታ ዜስደምም እዩ ነይሩ፣ ዜጸናንዓ የልቦን። ኦ የሆዋ፡ ጸላኢ ንርእሱ ኣዕብዩ እዩ እሞ፡ ጸበባይ ርአ።+ 10 ተጻራሪ ኣብ ኵሉ እቲ ኽቡር መዛግብታ ኢዱ ኣንቢሩ።+ እቶም ብዛዕባኦም ናብ ጉባኤኻ ኸይኣትዉ ዝኣዘዝካ ኣህዛብሲናብ መቕደሳ ኺኣትዉ ርእያ እያ።+ 11 ኵሎም ህዝባ እህህ ይብሉ፡ እንጌራ ኸኣ ይደልዩ ኣለዉ።+ ብህይወት ኪነብሩ ጥራይ* ኢሎምሲ ኽቡር ነገራቶም ንብልዒ ሂቦም። ኦ የሆዋ፡ ጠምት፡ ከም ዘይትጠቅም ሰበይቲ* ኸም ዝዀንኩ ርአ። 12 ኣቱም ሓለፍቲ መገዲ፡ እዚ ንዓኻትኩም ምንም ድዩ፧ ጠምቱን ርኣዩን! ከምቲ የሆዋ በታ መዓልቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ዘሳቐየኒ ዝኣመሰለ፡ከምቲ ኣነ እተቐጻዕኩሉ ስቓይ ኣሎዶ፧+ 13 ካብ ላዕሊ ናብ ኣዕጽምተይ ሓዊ ሰዲዱ፣+ ንዅሉ እውን ኣሕሚቕዎ። ንኣእጋረይ መርበብ ዘርጊሑ፣ ንድሕሪት ክምለስ ገዲዱኒ። ዝበረሰት ገይሩኒ። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ሓሚመ ኣለኹ። 14 ኣበሳይ ብኢዱ ብሓደ ተኣሲሩ፡ ከም ኣርዑት ተቘሪኑ ኣሎ። ኣብ ክሳደይ ተነቢሩ ኣሎ፣ ሓይለይ ከኣ ጠሊሙኒ ኣሎ። የሆዋ ኣብ ኢድ እቶም ክጻረሮም ዘይክእል ኣሕሊፉ ሂቡኒ።+ 15 የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ማእከለይ ዝነበሩ ሓያላተይ ደርብይዎም።+ ንኣጕባዘይ ኪጭፍልቖም ኣንጻረይ ኣኼባ ጸዊዑ።+ የሆዋ ንድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ረጊጽዋ።+ 16 ስለዚ፡ ኣነ እበኪ ኣለኹ፣+ ኣዒንተይ ንብዓት የውሕዝ ኣሎ። ኬጸናንዓኒ ወይ ኬበርትዓኒ* ዚኽእል ዘበለ ኻባይ ርሑቕ እዩ። ጸላኢ ስዒሩ እዩ እሞ፡ ደቀይ በሪሶም። 17 ጽዮን ኣእዳዋ ዘርጊሓ ኣላ፣+ ዜጸናንዓ የልቦን። የሆዋ ኣንጻር ያእቆብ፡ ንዅሎም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ተጻረርቱ ኣዚዙ ኣሎ።+ የሩሳሌም ንዓታቶም ፍንፍንቲ ዀይና ኣላ።+ 18 ካብ ትእዛዙ* ዓልየ እየ እሞ፡+ የሆዋ ጻድቕ እዩ።+ ኣቱም ህዝብታት ስምዑ፡ ስቓየይ እውን ርኣዩ። ደናግለይን* ኣጕባዘይን ናብ ምርኮ ኸይዶም ኣለዉ።+ 19 ንዜፍቅሩኒ ጸዊዐዮም፣ ንሳቶም ግና ጠሊሞምኒ።+ ካህናተይን ዓበይተይን ብህይወት ኪነብሩ* ኢሎምምግቢ ኺደልዩ ኸለዉ፡ ኣብ ከተማ ጠፊኦም።+ 20 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ብርቱዕ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ርአ። ውሽጠይ* ይሕቈን ኣሎ። ጠሪሰ ዓላዊት ኰይነ እየ እሞ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይግልበጥ ኣሎ።+ ኣብ ግዳም፡ ሰይፊ ውሉድ የስእን፣+ ኣብ ውሽጢ ቤት ከኣ ሞት ኣሎ። 21 ሰባት እህህታይ ሰሚዖም፣ ዜጸናንዓኒ የልቦን። ኵሎም ጸላእተይ መዓተይ ሰሚዖም። ንስኻ ስለ ዘምጻእካዮ፡ ተሓጒሶም።+ ግናኸ፡ ነታ ኸምዚ ኸማይ ዚዀኑላ ዝኣወጅካያ መዓልቲ ኸተምጽኣ ኢኻ።+ 22 ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣ከምቲ ብሰሪ ዅሉ ኣበሳይ ዝቐጻዕካኒ፡ ንዓታቶም እውን ከምኡ ቕጽዓዮም።+ እህህታይሲ ብዙሕ፡ ልበይ እውን ሕሙም እዩ። 2 የሆዋስ ንጓል ጽዮን ከመይ ኰን እዩ ብደበና ቝጥዓኡ ዘጐልበባ! ንጽባቐ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርብይዎ።+ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንድኳ እግሩ ኣይዘከረን።+ 2 የሆዋ ንዅሉ መንበሪታት ያእቆብ ብዘይ ርሕራሐ ውሒጥዎ። ብነድሩ ንዕርድታት ጓል ይሁዳ ኣፍሪስዎ።+ ነታ መንግስትን ንመሳፍንታን ናብ ምድሪ ኣውሪድዎምን ኣርኪስዎምን።+ 3 ብዚነድድ ቍጥዓ ንዅሉ ብርታዐ* እስራኤል ቈሪጹ። ጸላኢ ምስ ቀረበ፡ ንየማነይቲ ኢዱ ስሒብዋ፣+ከምቲ ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ዅሉ ዚበልዕ ሓዊ ዀይኑ ኸኣ ኣብ ያእቆብ ነዲዱ።+ 4 ከም ጸላኢ ቐስቱ ገቲሩ፣* የማነይቲ ኢዱ ኸም ተጻራሪ ተዳልያ፣+ንዅሎም እቶም ንኣዒንቱ ተብሃግቲ ዘበሉ ቐቲልዎም።+ ንነድሩ ድማ ከም ሓዊ ናብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ጽዮን ክዕይዎ።+ 5 የሆዋ ኸም ጸላኢ ዀይኑ፣+ንእስራኤል ውሒጥዋ። ንዅሉ ግምብታታ ውሒጥዎ፣ንዅሉ ዕርድታታ ኣፍሪስዎ። ኣብ ጓል ይሁዳ ኸኣ ሓዘንን ልቕሶን ኣብዚሑ። 6 ንዳሱ ድማ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸም ዘላ ጎጆ ሃስይዋ።+ ንበዓሉ መወዳእታ ገይሩሉ።*+ የሆዋ ኣብ ጽዮን በዓልን ሰንበትን ኣረሲዑ፣ብብርቱዕ ቍጥዓኡ ኸኣ ንንጉስን ንኻህንን ኣየኽበረን።+ 7 የሆዋ ንመሰውኢኡ ደርብይዎ፣ንመቕደሱ ንዒቕዎ።+ ንመካበብያ እቲ እተዓርደ ግምብታታ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኣሕሊፍዎ።+ ከም ብመዓልቲ በዓል፡ ኣብ ቤት የሆዋ ድምጾም ዓው የብሉ ኣለዉ።+ 8 የሆዋ ንመካበብያ ጓል ጽዮን ኬፍርስ ወሲኑ።+ ገመድ መለክዒ ዘርጊሑ።+ ንኢዱ ኻብ ጥፍኣት* ኣይመለሳን። ዕርድን መካበብያን ድማ ኣሕዚኑ። ብሓደ እውን ደኺሞም። 9 ኣፍ ደገታታ ናብ ምድሪ ጥሒሉ።+ ንተገዳማታ ኣጥፊእዎን ሰይርዎን። ንጉሳን መሳፍንታን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣለዉ።+ ሕጊ* የልቦን፣ ነብያታ እኳ ኻብ የሆዋ ራእይ ኣይረኸቡን።+ 10 ዓበይቲ ጓል ጽዮን ስቕ ኢሎም ኣብ ምድሪ ይቕመጡ ኣለዉ።+ ሓመድ ናብ ርእሶም በቲኖምን ማቕ ተኸዲኖምን ኣለዉ።+ ደናግል የሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድኒነን ኣለዋ። 11 ኣዒንተይ ብምፍሳስ ንብዓት ደኺመን።+ ውሽጠይ* ተሓቚኑ። ብሰሪ ውድቀት ጓል* ህዝበይ፡+ብሰሪ እቶም ኣብ ኣደባባያት ከተማ ውኖኦም ዜጥፍኡ ዘለዉ ቘልዑን ሕጻናትን፡ ጸላም ከብደይ ኣብ ምድሪ ፈሲሳ።+ 12 ንኣዴታቶም፡ “እኽልን ወይንን ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ይሓትቱ ኣለዉ፣+ከም ቍሱል ከኣ ኣብ ኣደባባያት ከተማ ውኖኦም የጥፍኡ ኣለዉ፣ኣብ ሕቝፊ ኣዴታቶም ከለዉ፡ ህይወቶም* ትቕህም ኣላ። 13 ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እንታይ እሞ ኸም ምስክር ክጥቀም እየ፧ ምስ ምንታይከ ኸመሳስለኪ እየ፧ ኣቲ ድንግል ጓል ጽዮን፡ ከጸናንዓክስ ምስ ምንታይ ከመዓራርየኪ እየ፧ መስበርትኽስ ከም ባሕሪ ዓብዪ እዩ።+ መን ኬሕውየኪ ይኽእል፧+ 14 እቲ ነብያትኪ ዝረኣዩልኪ ራእያት፡ ሓሶትን ባዶን እዩ ነይሩ፣+ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ስሕተትኪ ኣየቃልዑን፣+የግዳስ፡ ናይ ሓሶትን ዜስሕትን ከቢድ መልእኽትታት ርእዮምልኪ።+ 15 ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ብንዕቀት ኣእዳዎም የጣቕዑልኪ ኣለዉ።+ “‘ፍጹም ዝጽባቐኣን ሓጐስ ኵሉ ምድርን እያ’ ዚብልዋ ኸተማ እዚኣ ድያ፧”+ እናበሉ ንጓል የሩሳሌም ብምግራም የፋጽዩላን+ ርእሶም ይንቕንቑላን ኣለዉ። 16 ኵሎም ጸላእትኺ ኣፎም ናባኺ ኸፊቶም ኣለዉ። “ውሒጥናያ።+ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኢና እንጽበያ ኔርና!+ መጺኣ፡ ርኢናያ ኸኣ!”+ እናበሉ የፋጽዩልክን ኣስናኖም ይሕርቅሙልክን ኣለዉ። 17 የሆዋ ኸምቲ ዝሓለኖ ገይሩ፣+ ከምቲ ዝበሎ፡+ከምቲ ኻብ ቀደም ዝኣዘዞ ፈጺሙ።+ ብዘይ ርሕራሐ ኣፍሪሱ።+ ንጸላኢ ብኣኺ ኸም ዚሕጐስ ገይርዎ፣ ብርታዐ* ተጻረርትኺ ድማ ልዕል ኣቢሉ። 18 ኣቲ መካበብያ ጓል ጽዮን፡ ልቦም ናብ የሆዋ የእዊ ኣሎ። ንብዓት ከም ውሒዝ መዓልትን ለይትን ይውሓዝ። ንርእስኺ ዕረፍቲ ኣይትሃቢ፡ ዓይንኺ* እውን ኣይተዕርፊ። 19 ተንስኢ! ብለይቲ፡ ኣብ መጀመርታ ሓለዋታት ኣእውዪ። ኣብ ቅድሚ ገጽ የሆዋ ልብኺ ኸም ማይ ኣፍስሲ። ስለ ህይወት* እቶም ኣብ ኵሉ ዅርናዕ ጐደና* ብጥሜት ውኖኦም ዜጥፍኡ ደቅኺ፡+ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ። 20 ኦ የሆዋ፡ ርአ፡ ነቲ ኣዚኻ ዝቐጻዕካዮ እውን ጠምቶ። ኣንስቲዶ ፍረ ኸርሰንን ጥዑያት ደቀንን ይበልዓ፧+ ካህናትን ነብያትንዶኸ ኣብ መቕደስ የሆዋ ይቕተሉ፧+ 21 ቈልዑን ኣረገውትን ሞይቶም ኣብ ምድሪ ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።+ ደናግለይን* ኣጕባዘይን ብሰይፊ ወዲቖም እዮም።+ ብመዓልቲ ቝጥዓኻ ቐቲልካ፡ ብዘይ ርሕራሐ ኸኣ ሓሪድካ ኢኻ።+ 22 ከም ንመዓልቲ በዓል፡+ ካብ ኵሉ ኣንፈት ሽበራ ጸዊዕካ። ብመዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ፡ ሓደ እኳ ኣየምለጠን ወይ ኣይተረፈን፣+ነቶም ዝወለድክዎምን* ዘዕበኽዎምንሲ፡ ጸላእየይ ኣጽኒትዎም።+ 4 እቲ ዜንጸባርቕ ወርቂ፡ እቲ ጽሩይ ወርቅስ ከመይ ኰን እዩ ደቢኑ!+ እቲ ቕዱስ ኣእማንሲ+ ኸመይ ኰን እዩ ኣብ ኵሉ ዅርናዕ ጐደና* ፋሕ ኢሉ!+ 2 እቶም ምስ ጽሩይ ወርቂ ዚምዘኑ* ዝነበሩ ኽቡራት ደቂ ጽዮን፡ከመይ ኰን እዮም ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዝዀነ ኣጋንእ፡ከምቲ ስርሓት ኣእዳው ሰራሕ ካይላ እተቘጽሩ! 3 ወኻሩ* እኳ ንዀራዅረን ጡብ ይህባ፣ጓል ህዝበይ ግና ከም ሰገናት በረኻ+ ጨኪና።+ 4 ልሳን እቲ ዚጠቡ ሕጻን ብሰንኪ ጽምኢ ኣብ ትንሓጉ ተጣቢቓ። ቈልዑ እንጌራ ይልምኑ፡+ ዚህቦም ግና የልቦን።+ 5 እቶም ጥዑም ብልዒ ዚበልዑ ዝነበሩ፡ ብጥሙያቶም ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።+ እቶም ድሙቕ ቀይሕ ተኸዲኖም ዝዓበዩ፡+ ኵምራ ሓምዅሽቲ ሓቚፎም ኣለዉ። 6 መቕጻዕቲ* ጓል ህዝበይ ካብቲ ንሓጢኣት እታ ብቕጽበት እተገልበጠት፡ዚድግፋ ኢድ እውን ዘይነበራ ሶዶም እተዋህበ መቕጻዕቲ ይዓቢ።+ 7 ናዝራውያና+ ኻብ ውርጪ ዚነጽሁ፡ ካብ ጸባ ዚጽዕድዉ እዮም ነይሮም። ካብ ኣዕናቝ* ዚቐይሑ፡ ከም እተወልወለ ሰፊሮስ እዮም ነይሮም። 8 ትርኢቶም ካብ ጸለሎ* ጸሊሙ፣ኣብ ጐደናታት ኣይልለዩን። ቈርበቶም ኣብ ኣዕጽምቶም ተጣቢቑ፣+ ከም ዕንጨይቲ ንቑጽ ኰይኑ። 9 እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ፡ ካብቶም ብጥሜት እተቐትሉ፡+ካብቶም ብስእነት ፍረ ምድሪ ተወጊኦም ዝማህመኑ ይሕሹ። 10 ኣእዳው ርሕሩሓት ኣንስቲ ንደቀን ኣብሲለን።+ ብግዜ መስበርቲ ጓል ህዝበይ፡ እንጌራ ሓዘን ኰይኖም።+ 11 የሆዋ ነድሩ ገሊጹ፣ነቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኣፍሲስዎ።+ ኣብ ጽዮን ንመሰረታታ ዚበልዕ ሓዊ ኣባሪዑ።+ 12 ነገስታት ምድርን ኵሎም ነበርቲ እታ ፍርያም ምድርን፡ተጻራርን ጸላእን ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ከም ዚኣቱ ኣይኣመኑን።+ 13 ብሰንኪ ሓጢኣት ነብያታን ብሰንኪ ስሕተት ካህናታን ከምኡ ዀይና፣+ንሳቶምሲ ደም ጻድቃን ኣብ ማእከላ ኣፍሲሶም እዮም።+ 14 ዓዊሮም ኣብ ጐደናታት ኰለል ይብሉ ኣለዉ።+ ሓደ እኳ ንኽዳውንቶም ኪትንክዮ ኽሳዕ ዘይክእል፡ብደም ተበኪሎም ኣለዉ።+ 15 “ርሓቑ! ርኹሳት! ርሓቑ! ርሓቑ! ኣይትተንክዩና!” ይብልዎም ኣለዉ። ንሳቶምሲ ቤት ኣልቦን ኰብለልትን ኰይኖም ኣለዉ። ካብ ኣህዛብ ከኣ ከምዚ ኢሎም፦ “ምሳና ኣይቅመጡን እዮም።*+ 16 ገጽ የሆዋ ፋሕ ኣቢልዎም እዩ፣+ደጊም ብጽቡቕ ኣይጥምቶምን እዩ። ሰባት ንኻህናት ኣየኽብርዎምን፡+ ንዓበይቲ እውን ሞገስ ኣየርእይዎምን እዮም።”+ 17 ሕጂ እኳ ኣዒንትና ንኸንቱ ረድኤት ብምጥማት ደኺመን።+ ኬድሕነና ኻብ ዘይክእል ህዝቢ ረድኤት ተጸቢና።+ 18 ኣብ ኣደባባያትና ኸይንኸይድሲ፡ ኣብ እንስጕሞ ዘበለ ሃዲኖምና።+ መወዳእታና ቐሪቡ፣ መወዳእታና መጺኡ እዩ እሞ፡ መዓልትታትና ተወዲአን። 19 ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይፈጥኑ።+ ኣብ ኣኽራን ኣጓይዮምና፣ ኣብ በረኻ ድማ ኣድብዮምልና። 20 እቲ ትንፋስ ኣፍንጫና፡ እቲ ቕቡእ የሆዋ፡+እቲ፡ “ኣብ ጽላሉ ኽንነብር ኢና” ዝበልናዮ፡ ኣብ ዓብዪ ጕድጓዶም ተታሒዙ ኣሎ።+ 21 ኣቲ ኣብ ምድሪ ዑጽ እትነብሪ ጓል ኤዶም፡ ተፈስህን ተሓጐስን።+ ግናኸ፡ እቲ ጽዋእ ናባኺ ኺሓልፍ፡+ ንስኺ እውን ክትሰኽርን ዕርቃንኪ ኪቕላዕን እዩ።+ 22 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ መቕጻዕቲ ስሕተትኪ ተወዲኡ እዩ። መሊሱ ናብ ምርኮ ኣይኪወስደክን እዩ።+ ኣቲ ጓል ኤዶም ግና፡ ናብ ስሕተትኪ ቘላሕታኡ ኺገብር እዩ። ንሓጢኣትኪ ኪቐልዖ እዩ።+ 5 ኦ የሆዋ፡ እንታይ ከም ዝወረደና ዘክር። ውርደትና ጠምትን ርአን።+ 2 ርስትና ናብ ካልኦት፡ ኣባይትና ናብ ጓኖት ተመሓላሊፉ።+ 3 ኣቦ ዘይብልና ዘኽታማት ኴንና፣ ኣዴታትና ኸም መበለታት ኰይነን።+ 4 ማይና ብኽፍሊት ንሰቲ ኣለና፣+ ዕንጨይትና ኸኣ ብዋጋ ይመጸና ኣሎ። 5 እቶም ሰጐጕትና ኣብ ክሳድና እዮም፣ደኺምና ኣለና፡ ዕረፍቲ ግና ኣይተዋህበናን።+ 6 እኹል ዚብላዕ እንጌራ ኽንረክብሲ፡ ኢድና ናብ ግብጽን+ ኣሶርን+ ዘርጊሕና ኣለና። 7 እቶም ዝሓጥኡ ኣቦታትና የለዉን፣ ንሕና ግና ስሕተቶም ንጸውር ኣለና። 8 ገላዉ ይገዝኡና ኣለዉ፣ ካብ ኢዶም ዚምንዝዓና የልቦን። 9 ብሰንኪ ሰይፊ በረኻ፡ ህይወትና* ኣብ ሓደጋ ኣእቲና እንጌራ ነምጽእ ኣለና።+ 10 ብሰንኪ ብርቱዕ ጥሜት፡ ቈርበትና ኸም እቶን ረሲኑ።+ 11 ኣንስቲ ኣብ ጽዮን፡ ደናግል ኣብ ከተማታት ይሁዳ ተዋሪደን።*+ 12 መሳፍንቲ ብኢዶም ተንጠልጢሎም፣+ ዓበይቲ እውን ኣይተኸብሩን።+ 13 ኣጕባዝ መጥሓን ይስከሙ፡ ቈልዑ ድማ ኣብ ትሕቲ ጾር ዕንጨይቲ ይዕንቀፉ ኣለዉ። 14 ዓበይቲ ኻብ ኣፍ ደገ ኸተማ ኸይዶም፣+ ኣጕባዝ ከኣ ሙዚቃኦም ሓዲጎም።+ 15 ሓጐስ ካብ ልብና ርሒቑ፣ ሳዕስዒትና ናብ ሓዘን ተቐዪሩ።+ 16 ዘውዲ ኻብ ርእስና ወዲቑ። ሓጢእና ኢና እሞ፡ ወይለና! 17 ብሰሪ እዚ ልብና ሓሚሙ፣+ብሰሪ እዚ ኣዒንትና ደኺመን፣+ 18 ብሰሪ እቲ ዝባደመን+ ወኻሩ ሕጂ ዚዞራሉን ከረን ጽዮን፡ ከምኡ ዄንና። 19 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ ዝፋን ንዘለኣለም ትቕመጥ። ዝፋንካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+ 20 ስለምንታይ ንዘለኣለም እትርስዓና፧ ስለምንታይከ ንነዊሕ ግዜ እትሓድገና፧+ 21 ኦ የሆዋ፡ ናባኻ ምለሰና፡ ንሕና እውን ብቐሊሉ ናባኻ ኽንምለስ ኢና።+ ንመዓልትታትና ኸምተን ናይ ቀደም ሓድሰን።+ 22 ግናኸ፡ ጠሪስካ ደርቢኻና ኢኻ። ኣዚኻ ተቘጢዕካና ኣለኻ።+ 17 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዛዕባ ቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ በል፡ ምስላ እውን መስል።+ 3 ከምዚ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ዓብዪ ዝኣኽናፉን ነዊሕ ዝመንገብገቡን ሕብራዊ ኽንቲት ዝመልኦን ዓብዪ ንስሪ+ ናብ ሊባኖስ መጸ፣+ ጫፍ ቄድሮስ ድማ ወሰደ።+ 4 ጫፍ ጨንፈራ ሰሊዑ፡ ናብ ምድሪ ነጋዶ* ኣምጺኡ፡ ኣብ ከተማ ነጋዶ ገበራ።+ 5 ካብ ዘርኢ እታ ምድሪ ወሲዱ+ ኸኣ ኣብ ፍርያም ግራት ገበራ። ከም ኲሓ ድማ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ተኸላ። 6 ንሳ ኸኣ በቘለት፣ ልሙዕ ጨናፍራ ናብ ውሽጢ ገጹ ዜስፋሕፍሕ፡ ሰራውራ ኣብ ትሕቲኣ ዚዓቢ ሓጻር ተኽሊ ወይኒ ዀነት።+ በዚ ኸምዚ፡ ተኽሊ ወይኒ ዀነት፣ ጠጥዕን ጨናፍርን ከኣ ኣውጽአት።+ 7 “‘“ዓብዪ ዝኣኽናፉን ነዊሕ ዝመንገብገቡን ካልእ ዓብዪ ንስሪ ድማ መጸ።+ ሽዑ፡ እታ ተኽሊ ወይኒ ሰራውራ ኻብቲ እተተኽለትሉ መደብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣርሒቓ ብሃንቀውታ ናብኡ ዘርግሐት፣ ንሱ ብመስኖ ኼስትያ ኸኣ ልሙዕ ጨናፍራ ናብኡ ሰደደት።+ 8 ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእን ፍረ ምእንቲ ኽትፈርን ግርምቲ ተኽሊ ወይኒ ምእንቲ ኽትከውንንሲ፡ ድሮ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ተተኺላ ነበረት።”’+ 9 “ከምዚ ድማ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ክትለምዕ ድያ፧ ፍሪኣ ኺምሽምሽን ጠጥዓ ኺጽምሉንሲ+ ሱራዶ ኣይኪምንቈስን እዩ፧+ እምብዛ ንቕጽቲ ስለ እትኸውን፡ ካብ ሱራ ንምምንቋስ ብርቱዕ ቅልጽም ወይ ብዙሕ ህዝቢ ኣይኬድልን እዩ። 10 ዝፈለሰት እኳ እንተ ዀነት፡ ክትለምዕ ድያ፧ ንፋስ ምብራቕ ምስ ነፈሰ፡ ጠሪሳዶ ኣይክትነቅጽን እያ፧ ኣብቲ ዝበቘለትሉ መደብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኽትነቅጽ እያ።”’” 11 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 12 “በጃኻ ነታ ዓላዊት ቤት፡ ‘እዚ እንታይ ማለት ምዃኑስ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧’ በላ። ከምዚ እውን በል፦ ‘እንሆ፡ ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጺኡ፡ ንጉሳን መሳፍንታን ወሲዱ፡ ምስኡ ናብ ባቢሎን ኣምጺእዎም።+ 13 ካብ ዘርኢ ንጉስ ወሲዱ ኸኣ፡+ ምስኡ ኺዳን ኣትዩን ኣምሒልዎን።+ ምርኡያት እታ ምድሪ ድማ ወሲዱ፣+ 14 እታ መንግስቲ ኽትዋረድ እሞ ኸይትትንስእ፡ ኪዳኑ ብምሕላው ጥራይ ምእንቲ ኽትነብር፡ ከምኡ ገይሩ።+ 15 ግናኸ፡ ንጉስ፡ ኣፍራስን+ ዓብዪ ሰራዊትን+ ኪረክብ ኢሉ፡ ናብ ግብጺ ልኡኻት ብምስዳድ፡ ካብኡ ዓልዩ።+ እሞኸ ኺሰልጦ ድዩ፧ እቲ ኸምዚ ዚገብር ዘሎስ ካብ መቕጻዕቲዶ ኼምልጥ እዩ፧ ኪዳን ኣፍሪሱስ ኬምልጥ ድዩ፧’+ 16 “‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “ንሱ ኣብ ባቢሎን፡ እቲ ዘንገሶ፡* እቲ ማሕላኡ ዝነዓቖን ኪዳኑ ዘፍረሶን ንጉስ* ኣብ ዚነብረላ ቦታ ኺመውት እዩ።+ 17 እቶም ዓብዪ ሰራዊትን እቶም ብዙሓት ጭፍራን ፈርኦን ከኣ፡ ብዙሕ ህይወት* ንምጥፋእ ዕርዲ ኸበባ ምስ ተዀመረን መንደቕ ከበባ ምስ ተሃንጸን፡ ኣብ ውግእ ኣይኪረድኡን እዮም።+ 18 ንሱስ ማሕላ ንዒቑ፡ ኪዳን እውን ኣፍሪሱ እዩ። ቃል እኳ እንተ ኣተወ፡* እዚ ዅሉ ገይሩ እዩ፣ ኣይኬምልጥን ድማ እዩ።”’ 19 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ሳዕቤናት ምንዓቕ ማሕላይን+ ምፍራስ ኪዳነይን ኣብ ርእሱ ኸምጽእ እየ። 20 መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ ኽድርቢ እየ፣ ብመርበብ ሃድነይ ድማ ኪትሓዝ እዩ።+ ናብ ባቢሎን ክወስዶ፡ ኣብኡ ኸኣ በቲ ኣባይ ዝፈጸሞ ጥልመት ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።+ 21 ኵሎም ህዱማት ጭፍራታቱ ብሰይፊ ኺወድቁ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ኪብሉ እዮም።+ ሽዑ፡ ኣነ የሆዋ ኸም እተዛረብኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።”’+ 22 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ጫፍ እቲ ነዊሕ ቄድሮስ+ ጨንፈር ወሲደ ኽተኽላ እየ፣ ካብ ጫፍ ውልዶኣ ልምልምቲ ጠጥዒ ኽወስድ፡+ ኣብ ነዊሕን በሪኽን ከረን ከኣ ክተኽላ እየ።+ 23 ኣብ ነዊሕ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ፣ ጨናፍራ ድማ ኪዓቢ እዩ፣ ፍረ ኸኣ ከተፍሪ፡ ግርምቲ ቄድሮስ እውን ክትከውን እያ። ኵለን ዓይነት ኣዕዋፍ ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ልሙዕ ጨናፍራ ድማ ኪሰፍራ እየን። 24 ኣነ የሆዋ ነታ ነዋሕ ኦም ከም ዘዋረድክዋ፡ ነታ ሓጻር ኦም እውን ልዕል ከም ዘበልክዋ፡+ ነታ ጥልልቲ ኦም ከም ዘንቀጽክዋ፡ ነታ ንቕጽቲ እውን ከም ዘጠጣዕክዋ፡+ ኵሉ ኣእዋም መሮር ኪፈልጥ እዩ። ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ፡ ገይረዮ እውን ኣለኹ።”’” 30 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከምዚ ኢልካ ተነበ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ኣየ፡ እታ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ!’ ኢልካ ዋይዋይ በል። 3 እታ መዓልትስ ቀሪባ፡ እወ፡ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ።+ መዓልቲ ደበናታት፡+ ምዱብ ግዜ ኣህዛብ ክትከውን እያ።+ 4 ሰይፊ ናብ ግብጺ ኺመጽእ፡ እቶም ቅቱላት ኣብ ግብጺ ምስ ወደቑ ኸኣ ኢትዮጵያ ብስምባድ ክትውሓጥ እያ፣ሃብታ ተወሲዱ፡ መሰረታታ ድማ ፈሪሱ ኣሎ።+ 5 ኢትዮጵያን+ ጱጥን+ ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን*ኩብን ደቂ እታ ምድሪ ኺዳንን፡*ኵላቶም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።”’ 6 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ደገፍቲ ግብጺ እውን ኪወድቁ እዮም፣እቲ ዕቡይ ሓይላ ድማ ኪዋረድ እዩ።’+ “‘ካብ ሚግዶል+ ክሳብ ሴኔ+ ኣብታ ምድሪ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 7 ‘ኣዝየን ዝባደማ ሃገራት ኪዀና እየን፣ ከተማታታ ድማ ኣዝየን ዑናታት ከተማታት ኪዀና እየን።+ 8 ኣብ ግብጺ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ፡ ኵሎም ደገፍታ ኸኣ ምስ ተሰባበሩ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነታ ብርእሳ እትተኣማመን ኢትዮጵያ ራዕራዕ ምእንቲ ኸብላ፡ ብመራኽብ ልኡኻት ክልእኽ እየ፣ እታ ኣብ ግብጺ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብእኣ ስምባድ ኪሕዞም እዩ።’ 10 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንጭፍራታት ግብጺ ብኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን መወዳእታ ኽገብረሎም እየ።+ 11 ንሱን ተዋጋእቱን፡ እቶም ካብ ኣህዛብ ኣዝዮም ጨካናት ዝዀኑ፡+ ነታ ምድሪ ኼጥፍእዋ ኺመጹ እዮም። ሰይፎም ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኺመልሑ፡ ነታ ምድሪ ድማ ብቕቱላት ኪመልእዋ እዮም።+ 12 ንመትረባት ኒል+ ከንቅጾ፡ ነታ ምድሪ ኸኣ ኣብ ኢድ እኩያት ክሸጣ እየ። ነታ ምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድም እየ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።’ 13 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነቶም ጽዩፋት ጣኦታት* ከጥፍኦም፡ ነቶም ከንቱ ኣማልኽቲ ኖፍ* ከኣ ክውድኦም እየ።+ ካብ ምድሪ ግብጺ ደጊም መስፍን* ኣይኪኸውንን እዩ፣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ፍርሂ ኸንብር እየ።+ 14 ንጳጥሮስ+ ከባድማ፡ ኣብ ጾዓን ሓዊ ኽኣጕድ፡ ኣብ ኖ*+ ኸኣ ፍርዲ ኽፍጽም እየ። 15 ኣብ ሲን እታ ዕርዲ ግብጺ ነድረይ ክኽዑ፡ ንህዝቢ ኖ ድማ ከጥፍኦ እየ። 16 ኣብ ግብጺ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣ ሲን ክትሽበር፡ ኖ ኽትጥሓስ፡ ኖፍ* ከኣ ቀትሪ ምድሪ መጥቃዕቲ ኺመጻ እዩ። 17 ኣጕባዝ ኦንን* ፊቤሴትን ብሰይፊ ኺወድቁ፡ እተን ከተማታት ድማ ናብ ምርኮ ኪኸዳ እየን። 18 ኣብ ታህፋኔስ ኣርዑት ግብጺ ምስ ሰበርኩ፡ ኣብኣ መዓልቲ ኽትጽልምት እያ።+ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኺውዳእ፡+ ደበናታት ኬጐልብባ፡ ዓድታታ እውን ናብ ምርኮ ኪኸዳ እየን።+ 19 ኣብ ግብጺ ፍርዲ ኽፍጽም እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’” 20 ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 21 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቕልጽም ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሰይረያ ኣለኹ፣ ምእንቲ ኽትሓዊ ተባሂላ ኣይክትእሰርን ወይ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል ተባሂላ ብመዘነኒ ኣይክትዝነንን እያ።” 22 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ኣንጻር ፈርኦን ንጉስ ግብጺ እየ፣+ ንቐላጽሙ፡ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትን ክሰብረን እየ፣+ ነታ ሰይፊ ድማ ካብ ኢዱ ኸውድቓ እየ።+ 23 ንግብጻውያን ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎምን ኣብ መንጎ ሃገራት ክብትኖምን እየ።+ 24 ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን፡*+ ሰይፈይ ድማ ኣብ ኢዱ ኽገብር፡+ ቀላጽም ፈርኦን እውን ክሰብር እየ፣ ንሱ ኸኣ ከም ዚመውት ሰብ ኣብ ቅድሚኡ* ዓው ኢሉ ኺግዕር እዩ። 25 ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን እየ፣ ቀላጽም ፈርኦን ግና ኪለምሳ እየን፣ ሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ገበርኩ፡ ንሱ ድማ ኣንጻር ምድሪ ግብጺ ምስ ዘርግሓ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 26 ንግብጻውያን ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎምን ኣብ መንጎ ሃገራት ክብትኖምን እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም።’” 35 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን ሰዒር+ ኣብል እሞ ኣንጻሩ ተነበ።+ 3 ከምዚ እውን በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ኣኽራን ሰዒር፡ እንሆ፡ ኣንጻርካ እየ፣ ኢደይ ከኣ ኣብ ልዕሌኻ ኽዝርግሕ፡ ባድም ድማ ክገብረካ እየ።+ 4 ንኸተማታትካ ዑናታት ክገብረን፡ ንስኻ እውን ባድም ክትከውን ኢኻ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኢኻ። 5 ከመይሲ፡ ዘየቋርጽ ጽልኢ ነይሩካ እዩ፣+ ንእስራኤላውያን ድማ ብግዜ መዓቶም፡ ብግዜ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቶም ንሰይፊ ኣሕሊፍካ ሂብካዮም ኢኻ።”’+ 6 “‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንምፍሳስ ደም ከዳልወካ እየ፣ ምፍሳስ ደም ከኣ ኪስዕበካ እዩ።+ ደም ስለ ዝጸላእካ፡ ምፍሳስ ደም ኪስዕበካ እዩ።+ 7 ንኣኽራን ሰዒር ባድም ክገብሮ፡+ ብእኡ ዚሓልፍን ዚምለስን ዘበለ ድማ ካብኡ ኽምንቍስ እየ። 8 ንኣኽራኑ ኸኣ ብቕቱላት ክመልኦ እየ፣ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ኣብ ኵርባታትካን ኣብ ስንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ወሓይዝካን ኪወድቁ እዮም። 9 ንሓዋሩ ኸባድመካ እየ፣ ከተማታትካ ድማ ነበርቲ ኣይኪህልወንን እዩ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’ 10 “የሆዋ ኣብኡ ኸሎስ፡ ‘እዞም ክልተ ኣህዛብ እዚኦምን እዘን ክልተ ሃገራት እዚአንን ናተይ ኪዀኑ እዮም፡ ንኽልቲኦም ከኣ ክንርስተዮም ኢና’+ ስለ ዝበልካ፡ 11 ‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣነ ኸምቲ ጸሊእካዮም ብቝጥዓን ብቕንእን ዝገበርካዮ ነገር፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ፣+ ምስ ፈረድኩኻ ድማ፡ ኣባታቶም ርእሰይ ከፍልጥ እየ። 12 ሽዑ፡ ኵሉ እቲ፡ “ባዲሞም፡ ክንውሕጦም* ከኣ ተዋሂቦምና እዮም” ኢልካ ብዛዕባ ኣኽራን እስራኤል እተዛረብካዮ ንዕቀት፡ ኣነ የሆዋ ኸም ዝሰማዕክዎ ኽትፈልጥ ኢኻ። 13 ብትዕቢት እውን ኣንጻረይ ተዛሪብካ፡ ኣንጻረይ እውን ቃላትካ ኣብዚሕካ ኢኻ።+ ኵሉ ሰሚዐዮ ኣለኹ።’ 14 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ምስ ኣባደምኩኻ፡ ብዘላ ምድሪ ኽትሕጐስ እያ። 15 ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ምስ ባደመት እተሓጐስካ፡ ኣነ ኸምኡ ኽገብረካ እየ።+ ኣታ ኣኽራን ሰዒር፡ እወ፡ ኵልኻ ኤዶም፡ ክትባድም ኢኻ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’” 31 ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንጭፍራኡን ከምዚ በሎ፦+ ‘ብዕቤትካ ንመን ኢኻ እትመስል፧ 3 እንሆ፡ ሓደ ኣሶራዊ፡ ከም ናይ ጣሻ ዝበለ ጽላል ዝነበሮ ጽቡቕ ዝጨናፍሩ፡ነዊሕ ዝቝመቱ ቄድሮስ ኣብ ሊባኖስ ነበረ፣ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ነበረ። 4 ማያት ኣዕበዮ፡ ዓሚቝ ዓይኒ ማያት ኣንውሖ። ኣብ ዙርያ እቲ እተተኽለሉ፡ ወሓይዝ ነበረ፣እቲ ናቱ መትረባት ከኣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር የስቲ ነበረ። 5 ስለዚ፡ ካብ ኵሉ ኣእዋም መሮር ነውሐ። ሳላ እቲ ኣብ ወሓይዙ ዘሎ ብዙሕ ማይ፡ጨናፍሩ በዝሐ፡ ቅርንጫፋቱ ኸኣ ነውሐ። 6 ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍሩ ሰፈራ፣ኵለን እንስሳታት መሮር ኣብ ትሕቲ ቕርንጫፋቱ ወለዳ፣ኵሎም ብዙሓት ኣህዛብ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ተቐመጡ። 7 ሱሩ ናብ ብዙሕ ማያት ወሪዱ ነበረ እሞ፡ ብጽባቐኡን ብንውሓት ቅርንጫፋቱን ዓብዪ ነበረ። 8 ኣብ ገነት* ኣምላኽ+ ካብ ቄድሮሳት ምስኡ ዚወዳደር ኣይነበረን። ካብ ኣእዋም ጽሕዲ* ኸኣ ከም ናቱ ዝበለ ጨናፍር ዝነበሮ ኣይነበረን። ካብ ኣእዋም ዓርሞን ድማ ምስ ቅርንጫፋቱ ዚመሳሰል ዝነበሮ ኣይነበረን። ኣብ ገነት ኣምላኽ ምስ ጽባቐኡ ዚመዓራረ ኦም ኣይነበረን። 9 ብብዝሒ ልሙዕ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፣ኵሉ ኣእዋም ኤደን፡ ገነት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ ቀንኣሉ።’ 10 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝዀነ፡* ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ልዕል ስለ ዝበለ፡ ልቡ ኸኣ ብቝመቱ ስለ እተዓበየ፡ 11 ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ገዛኢ ኣህዛብ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።+ ንሱ ድማ ብርግጽ ኣብ ልዕሊኡ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ፣ ኣነ እውን ብሰሪ እከዩ ኽድርብዮ እየ። 12 እቶም ካብ ኣህዛብ ኣዝዮም ጨካናት ዝዀኑ ጓኖት ኪቘርጽዎ፡ ኣብ ኣኽራን እውን ኪሓድግዎ እዮም፣ እቲ ልሙዕ ጨናፍሩ ኣብ ኵሉ ስንጭሮታት ኪወድቕ፡ ቅርንጫፋቱ ተሰባቢሩ ኣብ ኵሉ ወሓይዝ ምድሪ ኪኸውን እዩ።+ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኻብ ጽላሉ ኼልግሱን ኪሓድግዎን እዮም። 13 ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብቲ ዝወደቐ ጕንዱ፡ ኵለን እንስሳታት መሮር እውን ኣብ ቅርንጫፋቱ ኺነብራ እየን።+ 14 ኣብ ጥቓ ማያት ዚርከብ ዘበለ ኦም ኣዝዩ ኸይነውሕ ወይ ጫፉ ኣብ መንጎ ደበናታት ልዕል ከይብል እሞ ማይ ኣጸቢቑ ዝሰተየ ኦም ቍመቱ ኣብኡ ኸይበጽሕ እዩ እዚ ዚኸውን። ኵላቶምሲ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ደቂ ሰብ፡ ንሞት፡ ንታሕተዋይ ምድሪ ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም።’ 15 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘በታ ንሱ ናብ መቓብር* ዚወርደላ መዓልቲ፡ ኣነ ንሰብ ከሕዝን እየ። ስለዚ፡ እቲ ብዙሕ ማያት ምእንቲ ኺግታእ፡ ንዓሚቝ ማያት ክኸድኖን ንወሓይዙ ኽዓግቶን እየ። ብሰሩ ንሊባኖስ ከጸልምታ እየ፣ ኣእዋም መሮር ድማ ኪጽምልዉ እዮም። 16 ምስ ኵሎም እቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ናብ መቓብር* ምስ ኣውረድክዎ፡ ብደሃይ ውድቀቱ ንኣህዛብ ራዕራዕ ከብል እየ፣ ኵሎም ኣእዋም ኤደን፡+ ሕሩያትን ብሉጻትን ሊባኖስ፡ ኵሎም እቶም ማይ ኣጸቢቖም ዝሰተዩ፡ ኣብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ኺጸናንዑ እዮም። 17 ንሳቶም ምስኡን ምስቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣብ ጽላሉ ዚነብሩ ዝነበሩ ደገፍቱን*+ ናብ መቓብር፡* ናብቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ወሪዶም ኣለዉ።’+ 18 “‘ብኽብርን ብዕቤትን ካብ ኣእዋም ኤደን ንዓኻ ዚመስል ኣየናይ እዩ፧+ ግናኸ፡ ምስ ኣእዋም ኤደን ብርግጽ ናብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ። ኣብ መንጎ እቶም ዘይግዙራት፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ክትብል ኢኻ። ፈርኦንን ኵሎም ጭፍራኡን ከምዚ ኪዀኑ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 18 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “እዚ ኣብ ምድሪ እስራኤል እትምስልዎ፡ ‘ኣቦታት መጺጽ ወይኒ በልዑ፣ ግናኸ፡ ኣስናን ደቂ ኰዀየ’ ዚብል ምስላ እንታይ ማለት እዩ፧+ 3 “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ነዚ ምስላ እዚ ድሕሪ ደጊም ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም። 4 እንሆ፡ ኵለን ነፍሳት* ናተይ እየን። ነፍሲ ኣቦን ነፍሲ ወድን ናተይ እየን። እታ እትሓጥእ ነፍሲ፡* ንሳ ኽትመውት እያ። 5 “‘ሓደ ሰብ ጻድቕ እንተ ዀይኑ፡ ፍትሕን ቅንዕናን ዚገብር፡ 6 ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዘይበልዕ፡+ ናብቶም ጽዩፋት ጣኦታት* ቤት እስራኤል ዘይጥምት፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡+ ብጻግኒኣ ናብ ዘላ ሰበይቲ ዘይኣቱ፡+ 7 ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡+ የግዳስ ነቲ ብዓል ዕዳ ዝሃቦ ትሕጃ ዚመልስ፡+ ንሓደ እኳ ዘይዘምት፡+ የግዳስ እንጌራኡ ንጥሙይ ዚህብን+ ንዕሩቕ ክዳን ዚኸድንን፡+ 8 ወለድ ዘየኽፍል፡ ሓረጣ ዘየሕርጥ፡+ የግዳስ ካብ ዓመጻ ርእሱ ዚገትእ፡+ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ካልእን ፍትሒ ዜውጽእ፡+ 9 ብሕግታተይ ዚመላለስ፡ ብተኣማንነት ምእንቲ ኺመላለስ ድማ ፍርድታተይ ዚሕሉ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ጻድቕ እዩ፡ ብርግጽ ከኣ ብህይወት ኪነብር እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 10 “‘ግናኸ፡ ንሱ ዘማቲ+ ወይ ቀታል ነፍሲ*+ ወይ ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ ዚገብር ወዲ እንተ ወሊዱ፡ 11 (እቲ ኣቦ ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ እኳ እንተ ዘይገበረ፡)—ንሱ ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዚበልዕ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዜርክስ፡ 12 ንስኡንን ንድኻን ዚገፍዕ፡+ ዘሚቱ ዝወስድ፡ ትሕጃ ዘይመልስ፡ ናብ ጽዩፋት ጣኦታት ዚጥምት፡+ ፍንፉን ተግባራት ዚገብር፡+ 13 ሓረጣ ዜሕርጥ፡ ወለድ ድማ ዜኽፍል እንተ ዀይኑ፡+ እቲ ወዲ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ። ብሰሪ ዅሉ እዚ ዝገበሮ ፍንፉን ነገራት፡ ብርግጽ ኪቕተል እዩ። ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። 14 “‘ግናኸ፡ ሓደ ኣቦ ወዲ እንተ ወሊዱ እሞ፡ ንሱ ድማ ኣቦኡ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት ዚርኢ ኽነሱ፡ ከምኡ ዘይገብር እንተ ዀይኑ፡ 15 ኣብ ኣኽራን ንጣኦት ዝቐረበ መስዋእቲ ዘይበልዕ፡ ናብ ጽዩፋት ጣኦታት ቤት እስራኤል ዘይጥምት፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡ 16 ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡ ትሕጃ ዘይሕዝ፡ ዘሚቱ ዘይወስድ፡ እንጌራኡ ንጥሙይ ዚህብ፡ ንዕሩቕ ክዳን ዚኸድን፡ 17 ንድኻ ኻብ ምጭቋን ርእሱ ዚገትእ፡ ሓረጣ ዘየሕርጥ፡ ወለድ ዘየኽፍል፡ ፍርድታተይ ዚፍጽም፡ ብፍርድታተይ ድማ ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ብስሕተት ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ። ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። 18 ኣቦኡ ግና ዓማጺ ስለ ዝዀነን ንሓዉ ስለ ዝዘመተን ኣብ መንጎ ህዝቡ ኽፉእ ስለ ዝገበረን፡ ንሱ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ። 19 “‘ንስኻትኩም ግና፡ “ስለምንታይ እዩ ወዲ ብስሕተት ኣቦኡ በደል ዘይጸውር፧” ትብሉ ኢኹም። እቲ ወዲ ፍትሕን ጽድቅን ስለ ዝገበረ፡ ኵሉ ሕግታተይ ድማ ስለ ዝሓለወን ስለ ዝገበረን፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ 20 እታ እትሓጥእ ነፍሲ፡* ንሳ ኽትመውት እያ።+ ወዲ ብስሕተት ኣቦኡ በደል ኣይኪጸውርን እዩ፣ ኣቦ ኸኣ ብስሕተት ወዱ በደል ኣይኪጸውርን እዩ። ጽድቂ ጻድቕ ንዕኡ ጥራይ እዩ ዚቝጸረሉ፣ እከይ እኩይ እውን ንዕኡ ጥራይ እዩ ዚቝጸረሉ።+ 21 “‘እኩይ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት እንተ ተመሊሱ እሞ፡ ሕግታተይ እንተ ሓልዩ፡ ፍትሕን ጽድቅን ድማ እንተ ገይሩ፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣይኪመውትን እዩ።+ 22 ካብቲ ዝገበሮ ኣበሳ ብሓደ እኳ ተሓታቲ ኣይኪኸውንን* እዩ።+ ጽድቂ ብምግባሩ ብህይወት ኪነብር እዩ።’+ 23 “‘ብሞት እኩይዶ ባህ ይብለኒ እዩ፧’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ካብ መገድታቱ ተመሊሱ ብህይወት ኪነብር ደይኰንኩን ዝመርጽ፧’+ 24 “‘ግናኸ፡ ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን፡* እኩይ ዚገብሮ ዅሉ ፍንፉን ድማ እንተ ገይሩ፡ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ፧ ካብቲ ጽድቁስ ሓደ እኳ ኣይኪዝከረሉን እዩ።+ ብዝጠለሞ ጥልመትን ብዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ።+ 25 “‘ንስኻትኩም ግና፡ “መገዲ የሆዋ ኣይቅኑዕን እዩ” ትብሉ ኢኹም።+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በጃኹም ስምዑ! መገደይ ድዩ ዘይቅኑዕ፧+ መገድታትኩም ደይኰነን ዘይቅኑዕ፧+ 26 “‘ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን ብሰሩ እንተ ሞይቱን፡ ብበደሉ እዩ ዚመውት። 27 “‘እኩይ ድማ ካብቲ ዝገበሮ እከይ እንተ ተመሊሱ እሞ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡ ንሱ ህይወቱ* ኼድሕን እዩ።+ 28 ኣስተውዒሉ ኻብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ኣበሳ እንተ ተመሊሱ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣይኪመውትን እዩ። 29 “‘ግናኸ፡ ቤት እስራኤል፡ “መገዲ የሆዋ ኣይቅኑዕን እዩ” ይብሉ እዮም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ መገድታተይ ድዩ ዘይቅኑዕ፧+ መገድታትኩም ደይኰነን ዘይቅኑዕ፧’ 30 “‘ስለዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድታትኩም ክፈርደኩም እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ተመለሱ፣ እወ፡ በደልቲ ዚገብረኩም መዐንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፡ ካብ ኵሉ ኣበሳኹም ጠሪስኩም ተመለሱ። 31 ርእስኹም ካብ ኵሉ እቲ ዝኣበስኩምዎ ኣበሳ ኣርሕቑ፣+ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ኣጥርዩ።*+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይከ እትሞቱ፧’+ 32 “‘ብሞት ሓደ እኳ ባህ ኣይብለንን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ስለዚ፡ ተመለሱ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።’”+ 23 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣዋልድ ሓንቲ ኣደ ዝዀና ኽልተ ኣንስቲ ነበራ።+ 3 ንሳተን ኣብ ግብጺ መንዘራ፣+ ካብ ንእስነተን ኣትሒዘን መንዘራ። ኣብኡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕቝፈን እውን ተደርዘ። 4 ስማተን ከኣ፡ እታ ዓባይ ኦሆላ፡* እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ* ይብሃላ ነበራ። ናተይ ኰና፣ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ብዛዕባ ስማተን ከኣ፡ ኦሆላ ሰማርያ እያ፡+ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ። 5 “ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላ መንዘረት።+ ደድሕሪ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ፡ ጐረባብታ ኣሶራውያን+ ብፍትወት ሰዓበት።+ 6 ንሳቶም ሰማያዊ እተኸድኑ ሹማምንትን መኳንንትን፡ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ተብሃግቲ ኣጕባዝ ነበሩ። 7 ምስ ኵሎም ሕሩያት ደቂ ኣሶር ድማ መንዘረት፣ ብፍትወት ምስ ዝሰዓበቶም ጽዩፋት ጣኦታት* ከኣ ረኸሰት።+ 8 ብንእስነታ ምስኣ ደቂሶምን ንድንግል ሕቝፋ ደሪዞምን ፍትወቶም* ክዕዮምላን ነይሮም እዮም እሞ፡ ነቲ ኣብ ግብጺ እትገብሮ ዝነበረት ምንዝርና ኣይሓደገቶን።+ 9 ስለዚ፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ፡ ብፍትወት እውን ዝሰዓበቶም ደቂ ኣሶር ኣሕሊፈ ሃብክዋ።+ 10 ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቐልዑ፡+ ንኣወዳታን ንኣዋልዳን ድማ ወሰድዎም፡+ ብሰይፊ እውን ቀተልዋ። ኣብ መንጎ ኣንስቲ ዕልልቲ ዀነት፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣ ፍርዲ ፈጸሙ። 11 “ሓብታ ኦሆሊባ እዚ ምስ ረኣየት፡ ፍትወታ ኻብኣ ዝገደደ ዀነ፣ ምንዝርናኣ ድማ ካብቲ ናይ ሓብታ ኸፍአ።+ 12 ንጐረባብታ ደቂ ኣሶር፡+ ነቶም ግርማ እተኸድኑን ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑን ኵሎም ተብሃግቲ ኣጕባዛ ዝዀኑ ሹማምንትን መኳንንትን ብፍትወት ሰዓበቶም። 13 ምስ ረኸሰት፡ ክልቲአን ሓደ መገዲ ኸም ዝሰዓባ ረኣኹ።+ 14 ንሳ ግና ንምንዝርናኣ ወሰኸትሉ። ኣብ መንደቕ እተቐርጹ ሰብኡት፡ ብቐይሕ እተቐርጸ ምስሊ ከለዳውያን ረኣየት፣ 15 ንሳቶም ኣብ ሕቘኦም ዕጣቕ ተዓጢቖም፡ ኣብ ርእሶም ዚንጥልጠል ዘለዎ መጠምጠምያ ገይሮም ነበሩ፣ ትርኢት ተዋጋእቲ ዘለዎም፡ ኵላቶም ከም ደቂ ባቢሎን ዝትርኢቶም፡ ኣብ ምድሪ ከለዳውያን እተወልዱ ነበሩ። 16 ምስ ረኣየቶም፡ ብፍትወት ሰዓበቶም፣ ናብ ከለዳ ድማ ልኡኻት ለኣኸትሎም።+ 17 ስለዚ፡ ደቂ ባቢሎን ናብቲ ዓራት ፍቕራ መጺኦም ብፍትወቶም* ኣርከስዋ። ንሳ ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፡ ፈንፊናቶም* ካባታቶም ኣልገሰት። 18 “መሊሳ ኸይሓነኸት ምስ መንዘረትን ዕርቃና ምስ ቀልዐትን፡+ ከምቲ ንሓብታ ፈንፊነያ ኻብኣ ዘልገስኩ፡* ንዓኣ እውን ፈንፊነያ ኻብኣ ኣልገስኩ።+ 19 ንሳ ኸኣ ነቲ ብመዓልትታት ንእስነታ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝመንዘረቶ ዘኪራ፡+ ምንዝርናኣ ኣብዝሐት።+ 20 ከም ኣንስቲ ወሰን እቶም ከም ናይ ኣድጊ ዝመትሎኦምን ከም ናይ ፈረስ ዝብልዕቶምን ሰብኡት፡ ብፍትወት ሰዓበቶም። 21 ነቲ ኣብ ግብጺ ሕቝፍኺ፡ ኣጥባት ንእስነትኪ ኺደርዙ ኸለዉ+ ዝገበርክዮ ጽያፍ ንእስነትኪ ናፈቕኪ።+ 22 “ስለዚ፡ ኣቲ ኦሆሊባ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ነቶም ፈንፊንክዮም ካባታቶም ዘልገስኪ* ኣፍቀርትኺ አለዓዕሎም ኣለኹ፣+ ካብ ኵሉ ኣንፈት ድማ ኣንጻርኪ ኺመጹ እዮም፣+ 23 ደቂ ባቢሎንን+ ኵሎም ከለዳውያንን፡+ ሰብ ጴኮድን+ ሾዓን ቆዓን፡ ምስ ኵሎም ደቂ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ኵላቶም ተብሃግቲ ኣጕባዝ፡ ሹማምንትን መኳንንትን፡ ተዋጋእትን ምሩጻትን፡* ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ እዮም። 24 ሰረገላታትን መንኰራዅርን ደርጓዕጓዕ እናኣበሉ፡ ዓብዪ ኣኼባ ሰራዊት ሒዞም፡ ዓብዪ ዋልታን ንእሽቶ ዋልታን* ቍራዕ ርእስን ገይሮም ኬጥቅዑኺ እዮም። ኣብ ዙርያኺ ኪቘሙ እዮም፣ ኪፈርዱኺ ድማ ስልጣን ክህቦም እየ፣ ከም ዝመሰሎም ከኣ ኪፈርዱኺ እዮም።+ 25 ኣብ ልዕሌኺ ቝጥዓይ ክገልጽ እየ፣ ንሳቶም ድማ ብነድሪ ስጕምቲ ኺወስዱልኪ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ኪቘርጹ እዮም፣ እቶም ካባኺ ዚተርፉ ድማ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። ንኣወዳትክን ንኣዋልድክን ኪወስድዎም፡ እቶም ካባኺ ዚተርፉ እውን ብሓዊ ኺብልዑ እዮም።+ 26 ክዳውንትኺ ኪቕንጥጡ፡+ ጽቡቕ ስልማትኪ እውን ኪምንዝዑ እዮም።+ 27 ነቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝጀመረ+ ጽያፍክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።+ ናባታቶም ምጥማት ክትሓድግዮ፡ ንግብጺ እውን ደጊም ኣይክትዝክርያን ኢኺ።’ 28 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድ እቶም እትጸልእዮም፡ ኣብ ኢድ እቶም ፈንፊንክዮም ካባታቶም ዘልገስኪ* ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ።+ 29 ብጽልኢ ስጕምቲ ኺወስዱልኪ፡ ኵሉ እቲ ዝጸዓርክሉ ኺወስዱ፡+ ጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም ኪሓድጉኺ እዮም። እቲ ዜሕፍር ዕርቃን ርኽሰትክን ጽያፍክን ምንዝርናኽን ኪቕላዕ እዩ።+ 30 ከም ኣመንዝራ ደድሕሪ ኣህዛብ ስለ ዝሰዓብኪ፡+ ብጽዩፋት ጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፡+ እዚ ነገር እዚ ኣብ ልዕሌኺ ኺግበር እዩ። 31 መገዲ ሓብትኺ ስዒብኪ ኢኺ፣+ ኣነ ድማ ጽዋኣ ኣብ ኢድኪ ኽገብር እየ።’+ 32 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እታ ዓማቝን ገፋሕን ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዪ፡+ከምቲ እታ ጽዋእ ብብዝሒ ሒዛቶ ዘላ እውን መስሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ።+ 33 ብስኽራንን ብጓህን፡ብጽዋእ ምስካሕን ምብዳምን፡ብጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያ ኽትስነፊ* ኢኺ። 34 ክትሰትይያን ክትጭልጥያን+ ንኣጋልዓ ኽትሓይክን ኢኺ፣ድሕሪኡ፡ ንኣጥባትኪ ኽትቅንጥስየን ኢኺ። “ኣነስ ተዛሪበ እየ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’ 35 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ስለ ዝረሳዕክንን ጠሪስኪ ዕሽሽ ስለ ዝበልክንን፡*+ ሳዕቤናት ጽያፍክን ምንዝርናኽን ክትጾሪ ኢኺ።’” 36 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንኦሆላን ንኦሆሊባን+ ክትፈርደን፡ እቲ ጽዩፍ ተግባራተን እውን ክትነግረን ዲኻ፧ 37 ዘምየን* እየን፣+ ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ኣሎ። ምስቶም ጽዩፋት ጣኦታተን ጥራይ ኣይኰናን ዘምየን፣ ነቶም ዝወለዳለይ ደቀይ፡ ብልዒ ጣኦታተን ኪዀኑስ ብሓዊ ኣሕሊፈን እየን።+ 38 ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ ከምዚ ገይረናኒ እየን፦ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣርኪሰን፡ ሰናብተይ እውን ኣርኪሰን እየን። 39 ደቀን ነቶም ጽዩፋት ጣኦታተን መስዋእቲ ኪዀኑ ምስ ሓረዳ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ መቕደሰይ ኣትየን ኣርኪሰናኣ እየን።+ ኣብ ውሽጢ ቤተይ ከምኡ እየን ገይረን። 40 አረ ሰብኡት ካብ ርሑቕ ኪመጹ እውን ልኡኻት ልኢኸን እየን።+ ኪመጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስኺ ተሓጺብኪ፡ ኣዒንትኺ ተዃሒልኪ፡ ስልማት እውን ተሰሊምኪ ኢኺ።+ 41 ኣብ ብሉጽ ዓራት ተቐሚጥኪ ኢኺ፣+ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ዕጣነይን+ ዘይተይን+ ዘንበርክሉ ሰደቓ ተዳልዩ ነይሩ።+ 42 ደሃይ ቅሱናት ህዝቢ ኸኣ ኣብኡ ተሰሚዑ፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ካብ በረኻ ዝመጹ ሰኽራማት ነይሮም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣእዳው ኣንስቲ ኣምባራት፡ ኣብ ኣራእሰን እውን ጽቡቕ ዘውድታት ገይሮም እዮም። 43 “ሽዑ፡ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝበለየት፡ ‘ሕጂ እውን ክትምንዝር እያ’ ኢለ። 44 ስለዚ፡ ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዚኸዱ፡ ናብኣ እውን ይኸዱ ነይሮም። ከምኡ ኢሎም እዮም ናብተን ጽዩፋት ኣንስቲ ዝዀና ኦሆላን ኦሆሊባን ዚኸዱ ዝነበሩ። 45 ግናኸ፡ ንሳተን ዘመውቲ እየን፡ ኣብ ኣእዳወን እውን ደም ኣሎ እሞ፡+ ጻድቃን ብሰንኪ ዝሙትን+ ምፍሳስ ደምን+ ግቡእ ፍርዲ ኺፈርድዋ እዮም። 46 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ንመሰክሕን ንዘመተን ኪገብርወንሲ፡ ኣንጻረን ሰራዊት ኪመጹ እዮም።+ 47 እቶም ሰራዊት ኣእማን ኪድርብዩለን፡+ ብኣስያፎም ድማ ኪቘራርጽወን እዮም። ንኣወዳተንን ንኣዋልደንን ኪቐትልዎም፡+ ኣባይተን እውን ብሓዊ ኼንድዱ እዮም።+ 48 ነቲ ጽያፍ ኣብታ ምድሪ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኵለን ኣንስቲ ኸኣ ኪምሃራ፡ ጽያፍክን እውን ኣይኪቐድሓን እየን።+ 49 ሳዕቤናት ጽያፍክንን ምስቶም ጽዩፋት ጣኦታት ዝገበርክናኦ ሓጢኣትክንን ኣብ ልዕሌኽን ኬምጽኡ እዮም፣ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።’”+ 34 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ከኣ ከምዚ ኢልካ ተነበየሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ንርእሶም ዚምግቡ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም!+ ጓሶትሲ ንመጓሰ ደይኰነን ኬብልዑ ዚግባእ፧+ 3 ንስኻትኩም ስብሒ ትበልዑ፡ ጸምሪ ትኽደኑ፡ ዝሰብሐት ድማ ትሓርዱ፣+ ነተን መጓሰ ግና ኣይተብልዕወንን።+ 4 ዝደኸማ ኣየበርታዕኩምን፡ ዝሓመመት ኣየሕወኹምን፡ ዝቘሰለት ኣይዘነንኩምን፡ እተባረረት ኣይመለስኩምን፡ ዝጠፍአት ኣይደለኹምን፣+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሕሰምን ብጭካነን ገዚእኩምወን።+ 5 ጓሳ ስለ ዘይነበረ፡ ፋሕ ኢለን፣+ እወ፡ ፋሕ ኢለን፡ ንዅሉ ኣራዊት መሮር እውን ምግቢ ዀይነን። 6 ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዅርባታትን ተባሪረን፣ ኣባጊዐይ ዜናድየን ወይ ዚደልየን ዘይብለን ኣብ ኵሉ ገጽ ምድሪ ፋሕ ኢለን። 7 “‘“ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፦ 8 ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “ጓሳ ስለ ዘይነበረ፡ ጓሶተይ ድማ ስለ ዘየናደይወን፡ የግዳስ ንርእሶም ስለ ዝመገቡ፡ ንኣባጊዐይ ከኣ ስለ ዘየብልዑ፡ ኣባጊዐይ ግዳይን ምግቢ ኣራዊት መሮርን ኰይነን እየን እሞ፡”’ 9 ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 10 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ኣንጻር እዞም ጓሶት እየ፣ ብዛዕባ ኣባጊዐይ ከኣ ክጸባጸቦም እየ፣* ንኣባጊዐይ ከየብልዑ* እውን ክሰጕጎም እየ፣+ እቶም ጓሶት ድማ ደጊም ንርእሶም ኣይኪምግቡን እዮም። ንኣባጊዐይ ካብ ኣፎም ከናግፈን እየ፣ ንሳተን ድማ ደጊም ንዓታቶም ምግቢ ኣይኪዀናን እየን።’” 11 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣነ፡ ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየንን ክኣልየንን እየ።+ 12 ፋሕ ንዝበላ ኣባጊዑ ረኺቡ ኸም ዜብልዐን ጓሳ፡ ንኣባጊዐይ ክኣልየን እየ።+ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን ፋሕ ኢለናሉ ዝነበራ ቦታታት ከናግፈን እየ።+ 13 ካብ ህዝብታት ከውጽአን፡ ካብ ሃገራት ከኣ ክእክበን፡ ናብ ምድረን ድማ ከምጽአን፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤል እውን ኣብ ጥቓ ወሓይዝን ኣብ ጥቓ ዅሉ እቲ መንበሪታትን ከብልዐን እየ።+ 14 ካብ ጽቡቕ መጓሰዪ ኸብልዐን እየ፣ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል እውን መገሃጫአን ኪኸውን እዩ።+ ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ መገሃጫ በጥ ኪብላ፡+ ኣብ ሕሩይ መጓሰዪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ኪበልዓ እየን። 15 “‘“ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከብልዐን፡+ ኣነ ባዕለይ እውን በጥ ከብለን እየ”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 16 “ዝጠፍአት ከናዲ፡+ እተባረረት ክመልስ፡ ዝቘሰለት ክዝንን፡ ዝደኸመት ድማ ከበርትዕ እየ፣ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ከጥፍእ እየ። ንዓኣ ፍርዲ ኸብልዓ እየ።” 17 “‘ኣትን ኣባጊዐይ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፡ ኣብ መንጎ ደዓውልን ድቤላታትን ክፈርድ እየ።+ 18 ኣብቲ ኣዝዩ ብሉጽ መጓሰዪ ምብላዕኩምዶ ኣይኣኽለኩምን እዩ፧ ነቲ ዝተረፈ መጓሰዪኹም ብኣእጋርኩም ምርጋጽኩም ግቡእ ድዩ፧ ጽሩይ ማይ ምስ ሰተኹምከ ነቲ ማይ ብኣእጋርኩም ብምርጋጽ ምብልሻውኩምሲ ግቡእ ድዩ፧ 19 እሞኸ ኣባጊዐይ ኣብቲ ብኣእጋርኩም እተረግጸ መጓሰዪ ኺበልዓ፡ ካብቲ ብኣእጋርኩም ረጊጽኩም ዘበላሸኹምዎ ማይ እውን ኪሰትያ ድየን፧” 20 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣነ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ ስብሕቲ በጊዕን ዕባራ በጊዕን ክፈርድ እየ፣ 21 ከመይሲ፡ ብጐድንኹምን ብመንኵብኩምን ደፊእኩምወን፡ ኣብ ወጻኢ ፋሕ ክሳዕ ዚብላ ድማ ንዅለን እተን ሕሙማት ብኣቕርንትኹም ወጊእኩምወን ኢኹም። 22 ኣነ ኸኣ ንኣባጊዐይ ከድሕነን እየ፣ ደጊም እውን ግዳይ ኣይኪዀናን እየን፣+ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ድማ ክፈርድ እየ። 23 ሓደ ጓሳ፡ ጊልያይ ዳዊት፡+ ከተንስኣለን እየ፣+ ንሱ እውን ኬብልዐን እዩ። ንሱ ባዕሉ ኼብልዐን፡ ጓሳአን ከኣ ኪኸውን እዩ።+ 24 ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ክኸውን፡+ ጊልያይ ዳዊት ድማ ኣብ መንጎኦም ሹም ኪኸውን እዩ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። 25 “‘“ምሳታቶም ከኣ ኪዳን ሰላም ክኣቱ እየ፣+ ኣብ በረኻ ብደሓን ምእንቲ ኺነብሩን ኣብ ዱር ምእንቲ ኺድቅሱን፡+ ካብታ ምድሪ ሕሱማት ኣራዊት ከጥፍእ እየ።+ 26 ንዓታቶምን ነቲ ኣብ ዙርያ ዅርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብር እየ፣+ ብግዜኡ ኸኣ ዝናም ከዝንም እየ። በረኸት ከም ዝናም ኪዘንም እዩ።+ 27 ኣእዋም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፣ ምድሪ ድማ ፍርያታ ኽትህብ እያ፣+ ኣብ ምድሮም ከኣ ብደሓን ኪነብሩ እዮም። ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፡+ ካብቶም ባሮት ዝገበርዎም ድማ ምስ ኣናገፍክዎም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 28 ደጊም ግዳይ ኣህዛብ ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም፣ ዜፍርሆም ዘይብሎም ከኣ ብደሓን ኪነብሩ እዮም።+ 29 “‘“ስሙይ* ሕርሻ ኽገብረሎም እየ፣ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ደጊም ብጥሜት ኣይኪሞቱን እዮም፣+ ደጊም እውን ብኣህዛብ ኣይኪዋረዱን እዮም።+ 30 ‘ሽዑ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምሳታቶም ምዃነይ፡ ንሳቶም ቤት እስራኤል እውን ህዝበይ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’ 31 “‘ኣቱም ኣባጊዐይ፡+ ኣቱም ዝኣልዮም ኣባጊዐይ፡ ንስኻትኩምሲ ሰብ ጥራይ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 19 “ንስኻ ኸኣ ንሹማምንቲ እስራኤል ኣልቅሰሎም፡ 2 ከምዚ ድማ በል፦ ‘ኣዴኻ እንታይ ነበረት፧ ኣብ መንጎ ኣናብስ እትርከብ ዋዕሮ። ኣብ መንጎ ሽደናት ኣናብስ በጥ ኢላ ዀራዅራ ኣዕበየት። 3 ሓደ ኻብቶም ኰራዅራ ኣዕበየት፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ኰነ።+ ከመይ ገይሩ ግዳይ ከም ዚሰላልዕ ድማ ተማህረ፣ሰባት እኳ በልዐ። 4 ኣህዛብ ብዛዕባኡ ሰምዑ፣ ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ሓዝዎ፣ብዓንቃሪቦታት ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ ወሰድዎ።+ 5 ንሳ ተጸበየት፣ ኪምለስ ተስፋ ኸም ዘይብሉ እውን ረኣየት። ስለዚ፡ ካብ ኰራዅራ ኻልእ ወሲዳ፡ ሽደን ኣንበሳ ገይራ ሰደደቶ። 6 ንሱ እውን ኣብ መንጎ ኣናብስ ተመላለሰ፣ ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ኰነ። ከመይ ገይሩ ግዳይ ከም ዚሰላልዕ ድማ ተማህረ፣ ሰባት እኳ በልዐ።+ 7 ኣብ መንጎ እተዓርደ ግምብታቶም ተጸናተወ፡ ከተማታቶም ድማ ኣዕነወ፣ስለዚ፡ እታ ዝባደመት ምድሪ ብደሃይ ምጕዛሙ መልአት።+ 8 ኣህዛብ ካብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ኣውራጃታት መርበቦም ኪድርብዩሉ መጹ፣ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ተታሕዘ። 9 ብዓንቃሪቦታት ድማ ኣብ ቆፎ እንስሳ ኣእትዮም ናብ ንጉስ ባቢሎን ወሰድዎ። ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ምእንቲ ኸይስማዕ ከኣ ኣብኡ ዳጐንዎ። 10 ኣዴኻ ኣብ ደምካ* ኣብ ጥቓ ማያት ከም እተተኽለት ተኽሊ ወይኒ ነበረት።+ ሳላ እቲ ብዙሕ ማይ ድማ፡ ፍረ ፈረየት፡ ብዙሕ ጨናፍር እውን ነበራ። 11 ንዘንግታት ገዛእቲ ዚኸውን ድልዱል ጨናፍር* ኣውጽአት። ዓበየት፡ ካብ ካልኦት ኣእዋም እውን ነውሐት፣ብንውሓታን ብብዝሒ እቲ ልሙዕ ጨናፍራን ከኣ እትርአ ዀነት። 12 ግናኸ፡ ብነድሪ ተማሕወት፡+ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየት፣ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጸ። ድልዱል ጨናፍራ ተሰልዐ፡ ነቐጸ፡+ ብሓዊ ኸኣ ተበልዐ።+ 13 ሕጂ ኣብ በረኻ፡ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ።+ 14 ሓዊ ኻብ ጨናፍራ* ወጺኡ ንጠጥዓን ንፍሪኣን በልዖ፣ድልዱል ጨንፈር ኰነ ንምግዛእ ዚኸውን ዘንጊ ድማ ኣይተረፈን።+ “‘እዚ ልቕሶ እዩ፣ ልቕሶ ኸኣ ኪኸውን እዩ።’” 20 ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፡ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ እስራኤል ንየሆዋ ኺሓትቱ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። 2 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 3 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ክትሓትቱኒ ዲኹም መጺእኩም፧ ‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ንሕቶኹም ምላሽ ኣይህብን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’ 4 “ክትፈርዶምዶ ተዳሊኻ ኢኻ፧ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክትፈርዶምዶ ተዳሊኻ ኢኻ፧ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት ኣፍልጦም።+ 5 ከምዚ እውን በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በታ ንእስራኤል ዝሓረኹላ መዓልቲ፡+ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ እውን መሓልኩሉ፣* ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ተፈለጥኩሎም።+ እወ፡ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ’ ኢለ መሓልኩሎም። 6 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ንዓታቶም ኢለ ናብ ዝዳህሰስክዋ* ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸም ዘውጽኦም መሓልኩሎም።+ ንሳ ኻብ ኵለን ሃገራት ኣዝያ እትጽብቕ* ነበረት። 7 ሽዑ፡ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዘሎ ፍንፉን ነገራት ደርብዩ፣ ብጽዩፋት ጣኦታት* ግብጺ ኣይትርከሱ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ’+ በልክዎም። 8 “‘“ንሳቶም ግና ካባይ ዓለዉ፡ ኪሰምዑኒ እውን ኣይፈተዉን። ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ፍንፉን ነገራት ኣይደርበይዎን፡ ንጽዩፋት ጣኦታት ግብጺ እውን ኣይሓደጉን።+ ስለዚ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ነድረይ ኣባታቶም ክኽዑ፡ ቍጥዓይ እውን ምሉእ ብምሉኡ ኽፍኑ ቓል ኣቶኹ። 9 ግናኸ፡ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ከይረክስ ኢለ ገበርኩ።+ ስለምንታይሲ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጻእክዎም፡ ኣብ ቅድሚ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ተፈሊጠሎም እየ።*+ 10 ስለዚ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ናብ በረኻ እውን መራሕክዎም።+ 11 “‘“ሽዑ፡ ሕግታተይ ሃብክዎም፣ ሰብ ስዒብዎ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር ከኣ፡+ ፍርድታተይ ኣፍለጥክዎም።+ 12 እቲ ዚቕድሶም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡ ድማ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ምልክት ኪኸውን+ ሰናብተይ ሃብክዎም።+ 13 “‘“ግናኸ፡ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኻባይ ዓለዉ።+ ብሕግታተይ ኣይተመላለሱን፣ ነቲ ሰብ እንተ ስዒብዎ ብህይወት ዚነብረሉ ፍርድታተይ እውን ነጸግዎ። ሰናብተይ ጠሪሶም ኣርከሱ። ስለዚ፡ ኣብቲ በረኻ ኸጽንቶምሲ፡ ነድረይ ኣባታቶም ክኽዑ ቓል ኣቶኹ።+ 14 ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ዘውጻእክዎም* ኣህዛብ ከይረክስ ኢለ ገበርኩ።+ 15 ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ+ ካብ ኵለን ሃገራት ኣዝያ ዝጸበቐት* ምድሪ ኸም ዘየእትዎም እውን ኣብ በረኻ መሓልኩሎም፣+ 16 ከመይሲ፡ ልቦም ንጽዩፋት ጣኦታት ይስዕብ ብምንባሩ፡+ ፍርድታተይ ነጸጉ፡ ብሕግታተይ ከኣ ኣይተመላለሱን፡ ሰናብተይ ድማ ኣርከሱ። 17 “‘“ግናኸ፡ ደንገጽኩሎም፡* ኣየጥፋእክዎምን እውን፣ ኣብቲ በረኻ ኣየጽነትክዎምን። 18 ንደቆም ከኣ ኣብቲ በረኻ ኸምዚ በልክዎም፦+ ‘ብስርዓታት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፣+ ፍርድታቶም ድማ ኣይትሓልዉ፣ ብጽዩፋት ጣኦታቶም እውን ኣይትርከሱ። 19 ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ። ብሕግታተይ ተመላለሱ፣ ፍርድታተይ ሓልዉ፡ ፈጽምዎ እውን።+ 20 ሰናብተይ ቀድሱ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ምልክት ኪኸውን እዩ።’+ 21 “‘“ግናኸ፡ ደቆም ካባይ ዓለዉ።+ ብሕግታተይ ኣይተመላለሱን፣ ነቲ ሰብ እንተ ስዒብዎ ብህይወት ዚነብረሉ ፍርድታተይ ከኣ ኣይሓለዉን፡ ኣይፈጸምዎን እውን። ሰናብተይ ኣርከሱ። ስለዚ፡ ኣብቲ በረኻ ነድረይ ኣባታቶም ክኽዑ፡ ቍጥዓይ እውን ምሉእ ብምሉእ ክፍኑ ቓል ኣቶኹ።+ 22 ግናኸ፡ ምእንቲ ስመይ+ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ዘውጻእክዎም* ኣህዛብ ከይረክስ ኢለ ርእሰይ ገታእኩን+ ገበርኩን። 23 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከም ዘብሎምን ኣብ መንጎ ሃገራት ከም ዝብትኖምን እውን ኣብቲ በረኻ መሓልኩሎም፣+ 24 ከመይሲ፡ ፍርድታተይ ኣይፈጸሙን፡ ሕግታተይ ከኣ ነጸጉ፡+ ሰናብተይ ድማ ኣርከሱ፡ ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት ኣቦታቶም እውን ሰዓቡ።*+ 25 ጽቡቕ ዘይኰነ ስርዓታትን ብህይወት ኪነብሩሉ ዘይክእሉ ፍርድታትን ኪስዕቡ ድማ ሓደግክዎም።+ 26 ኣነ የሆዋ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ምእንቲ ኸብርሶም ኢለ፡ ንዅሉ በዅሪ ውሉዶም ብሓዊ ብምሕላፍ፡+ ብመስዋእቶም ኪረኽሱ ሓደግክዎም።”’ 27 “ስለዚ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቦታትኩም ንዓይ ብምጥላም፡ በዚ እውን ጸረፉኒ። 28 ናብታ ኽህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣምጻእክዎም።+ ንዅሉ ዅርባታትን ልሙዕ ኣእዋምን ምስ ረኣዩ፡+ መስዋእቶምን ዜዀሪ መባኦምን ኣቕረቡ። ኣብኡ ነቲ ጥዑም ጨና መስዋእቶም ኣቕረቡ፡ መስዋእቲ መስተ እውን ከዓዉ። 29 ስለዚ፡ ከምዚ ኢለ ሓተትክዎም፦ ‘እዚ እትኸድዎ ዘለኹም በሪኽ እንታይ ማለት እዩ፧ (ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ በሪኽ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።)’”’+ 30 “ሕጂ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻትኩም ከምቲ ኣቦታትኩም ብመንፈሳዊ መዳይ ንምምንዛር ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት ብምኻድ ዝገበርዎ ብምግባርዶ ትረኽሱ ኣለኹም፧+ 31 ንዅሎም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ንደቅኹም ብሓዊ እናኣሕለፍኩም መስዋእቲ ብምቕራብዶ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ትረኽሱ ኣለኹም፧+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እሞኸ ኣነዶ ንሕቶኹም ምላሽ ክህብ እየ፧”’+ “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንሕቶኹም ምላሽ ኣይህብን እየ።+ 32 እቲ፡ “ከምቶም ዕንጨይትን እምንን ዜምልኹ* ኣህዛብ፡ ከምቶም ዓሌታት ካልኦት ሃገራት ንኹን”+ ኢልኩም ኣብ ሓሳብኩም እትሓስብዎ ዘለኹም* ድማ፡ ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።’” 33 “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዚፈስስ ነድርን ክነግሰኩም እየ።+ 34 ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዚፈስስ ነድርን ካብ ህዝብታት ከውጽኣኩም፡ ካብቲ ፋሕ ዝበልኩምሉ ሃገራት ድማ ክእክበኩም እየ።+ 35 ናብ በረኻ ህዝብታት ከኣ ከምጽኣኩም፡ ኣብኡ እውን ምሳኻትኩም ገጽ ንገጽ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።+ 36 “‘ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ምድሪ ግብጺ ናብ ፍርዲ ዝኣቶኹ፡ ምሳኻትኩም እውን ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 37 ‘ብትሕቲ በትሪ ጓሳ ኸሕልፈኩም፡+ ኣብ ትሕቲ ግዴታ* ኺዳን እውን ከእትወኩም እየ። 38 ነቶም ካባይ ዝዓለዉን ነቶም ዝኣበሱን ግና ካባኻትኩም ከወግድ እየ።+ ካብ ምድሪ ስደቶምሲ ኸውጽኦም እየ፣ ናብ ምድሪ እስራኤል ግና ኣይኪኣትዉን እዮም፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’ 39 “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ኪዱ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ኣገልግሉ።+ ድሕሪኡ ግና እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡ ብመስዋእትኹምን በቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩምን ነቲ ቕዱስ ስመይ ከተርክሱ ኣይክትክእሉን ኢኹም።’+ 40 “‘ቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎምሲ፡ ኣብቲ ቕዱስ ከረነይ፡ ኣብቲ ነዊሕ ከረን እስራኤል፡+ ኣብታ ምድሪ ኼገልግሉኒ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ኣነ ኣብኡ ብኣታቶም ባህ ኪብለኒ፣ መባእኩምን በዅሪ መስዋእትኹምን፡ ኵሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ።+ 41 ካብ ህዝብታት ከውጽኣኩምን ካብቲ ፋሕ ዝበልኩምሉ ሃገራት ክእክበኩምን ከለኹ፡+ በቲ ጥዑም ጨና፡ ብኣኻትኩም ባህ ኪብለኒ እዩ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ድማ ኣብ መንጎኹም ክቕደስ እየ።’+ 42 “‘ናብ ምድሪ እስራኤል፡ ናብታ ንኣቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣምጻእኩኹም ከኣ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 43 ኣብኣ ድማ ኣካይዳኹምን ንዅሉ እቲ ዝረኸስኩምሉ ተግባራትኩምን ክትዝክሩ ኢኹም፣+ ብዅሉ እቲ ዝገበርኩምዎ ኽፉእ ከኣ ርእስኹም* ክትፍንፍኑ ኢኹም።+ 44 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምቲ እኩይ ኣካይዳኹም ወይ ከምቲ ብልሹው ተግባራትኩም ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፡+ ሽዑ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 45 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 46 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፣ ናብ ደቡብ ከኣ ኣውጅ፣ ናብ ዱር መሮር ደቡብ ድማ ተነበ። 47 ነቲ ዱር ደቡብ ከኣ ከምዚ በሎ፦ ‘ቃል የሆዋ ስማዕ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣባኻ ሓዊ ኸባርዕ እየ፣+ ኣባኻ ንዘሎ ዅሉ ጥሉል ኦምን ኵሉ ንቑጽ ኦምን እውን ኪበልዕ እዩ። እቲ ዚነድድ ሃልሃልታ ኣይኪጠፍእን፡+ ኵሉ ገጽ ከኣ ካብ ደቡብ ክሳብ ሰሜን ብእኡ ኺሓርር እዩ። 48 ኵሉ ስጋ* ድማ፡ እቲ ሓዊ ምእንቲ ኸይጠፍእሲ ዝኣጐድክዎ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪርኢ እዩ።”’”+ 49 ኣነ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ብዛዕባይ፡ ‘ብሕንቅሕንቅሊተያት* ጥራይ ደይኰነን ዚዛረብ፧’ ይብሉ ኣለዉ” በልኩ። 3 ሽዑ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ብላዕ።* ነዛ ጥቕልልቲ ብልዓያ፣ ኪድ እሞ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም” በለኒ።+ 2 ስለዚ፡ ኣፈይ ከፈትኩ፣ ንሱ ድማ ነታ ጥቕልልቲ ኣብልዓኒ። 3 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ ዝህበካ ዘለኹ ጥቕልልቲ ብልዓያ፡ ከብድኻ እውን ምላእ” በለኒ። ኣነ ድማ በላዕክዋ፣ ንሳ ኸኣ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጥዕምቲ ነበረት።+ 4 ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ መንጎ ቤት እስራኤል ኪድ እሞ ቓላተይ ተዛረቦም። 5 ናብ ቤት እስራኤል እምበር፡ ቋንቋኡ ናብ ዘይርዳእ ወይ ልሳኑ ናብ ዘይፍለጥ ህዝቢ ኣይኰንካን እትልኣኽ ዘለኻ። 6 ቃላቱ ኽትርድኦ ናብ ዘይትኽእል ቋንቋኡ ናብ ዘይርዳእ ወይ ልሳኑ ናብ ዘይፍለጥ ህዝቢ ኣይኰንካን እትልኣኽ ዘለኻ። ናባታቶም እንተ ዝልእከካስ፡ ምሰምዑኻ ነይሮም።+ 7 ቤት እስራኤል ግና ንዓይ ኪሰምዑኒ ኣይደልዩን እዮም እሞ፡ ንዓኻ ምስማዕ ኪኣብዩ እዮም።+ ኵሎም ቤት እስራኤልሲ ተሪር ዝርእሶምን ተሪር ዝልቦምን እዮም።+ 8 እንሆ፡ ንገጽካ ልክዕ ከም ገጾም ኣትሪረዮ፡ ንግምባርካ ድማ ልክዕ ከም ግምባሮም ኣትሪረዮ ኣለኹ።+ 9 ንግምባርካ ኸም ኣልማዝ፡ ካብ ኣዝሒት ከኣ ዚተርር ገይረዮ ኣለኹ።+ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ብገጾም እውን ኣይትሸበር።”+ 10 ኣስዒቡ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ዝዛረበካ ቓላተይ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮን ስምዓዮን። 11 ናብ መንጎ እቶም ምሩኻት ህዝብኻ*+ ኺድ እሞ ተዛረቦም። እንተ ሰሚዖም ወይ ምስማዕ እንተ ኣብዮም፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል’ ኢልካ ንገሮም።”+ 12 ሽዑ፡ መንፈስ ተሰከመኒ፣+ ብድሕረይ ድማ፡ “ክብሪ የሆዋ ኻብ ቦታኡ ይወደስ” ዚብል ብርቱዕ ዚሃምም ደሃይ ሰማዕኩ። 13 ደሃይ እቲ ኣኽናፍ እቶም ህያዋን ፍጡራት ንሓድሕዱ ኺተናኸ ኸሎ ዜስምዖን ደሃይ+ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መንኰራዅርን+ ደሃይ ዓብዪ ህማምን ከኣ ነበረ። 14 እቲ መንፈስ ድማ ተሰኪሙ ወሰደኒ፣ ኣነ ኸኣ ብምረትን ብነድሪ መንፈሰይን ከድኩ፣ ኢድ የሆዋ ድማ በርቲዓ ኣባይ ዓሪፋ ነበረት። 15 ናብቶም ኣብ ቴል-ኣቢብ፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር+ ዚቕመጡ ዝነበሩ ምሩኻት ከድኩ፣ ኣብቲ ዚቕመጡሉ ዝነበሩ ኸኣ ጸናሕኩ፣ ተዓኒደ+ ድማ ኣብ መንጎኦም ሸውዓተ መዓልቲ ጸናሕኩ። 16 ኣብ መወዳእታ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 17 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ፣+ ካብ ኣፈይ ቃል ምስ ሰማዕካ፡ ካባይ መጠንቀቕታ ሃቦም።+ 18 ንሓደ እኩይ፡ ‘ብርግጽ ክትመውት ኢኻ’ ምስ በልክዎ፡ እንተ ዘየጠንቂቕካዮ፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር ከኣ ካብ እኩይ መገዱ ኺምለስ ነቲ እኩይ ከተጠንቅቖ ኢልካ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፡+ ንሱ እኩይ ስለ ዝዀነ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣+ ደሙ ግና ካባኻ ኽደልዮ እየ።*+ 19 ግናኸ፡ ንሓደ እኩይ እንተ ኣጠንቂቕካዮ እሞ ንሱ ኻብ እከዩን ካብ እኩይ መገዱን እንተ ዘይተመሊሱ፡ ንሱ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ብርግጽ ህይወትካ* ኸተድሕን ኢኻ።+ 20 ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን፡* ኣነ ኣብ ቅድሚኡ መዐንቀፊ ኽገብረሉ እየ፡ ንሱ እውን ኪመውት እዩ።+ እንተ ዘየጠንቂቕካዮ፡ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት፡ እቲ ተግባራት ጽድቁ እውን ኣይኪዝከርን እዩ፣ ደሙ ግና ካባኻ ኽደልዮ እየ።*+ 21 ግናኸ፡ ነቲ ጻድቕ ከይሓጥእ እንተ ኣጠንቂቕካዮ እሞ ንሱ እውን እንተ ዘይሓጢኡ፡ ስለ እተጠንቀቐ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ፣+ ንስኻ እውን ህይወትካ* ኸተድሕን ኢኻ።” 22 ኢድ የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕለይ መጸት፣ “ተንስእ፡ ናብ ጐልጐል ስንጭሮ ኺድ፣ ኣብኡ ድማ ክዛረበካ እየ” እውን በለኒ። 23 ኣነ ኸኣ ተንሲአ ናብ ጐልጐል ስንጭሮ ኸድኩ፣ እንሆ ድማ፡ ክብሪ የሆዋ፡ ከምቲ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎ+ ኽብሪ ኣብኡ ነበረ፣+ ኣነ እውን ብገጸይ ወደቕኩ። 24 መንፈስ ከኣ ኣተወኒ እሞ ብኣእጋረይ ደው ኣበለኒ፣+ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበኒ፦ “ኪድ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ተዓጾ። 25 ኣታ ወዲ ሰብ፡ ካብ መንጎኦም ከይትወጽእሲ፡ ኣግማድ ኪገብሩልካን ብእኡ ኺኣስሩኻን እዮም። 26 ንሳቶም ዓላዊት ቤት ስለ ዝዀኑ፡ ንልሳንካ ምስ ትንሓግካ ኸጣብቓ እየ፣ ንስኻ ድማ ዓባስ ክትከውን፡ ምግናሖም እውን ክትስእን ኢኻ። 27 ምስ ተዛረብኩኻ ግና፡ ኣፍካ ክኸፍት እየ፣ ንስኻ እውን፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል’ በሎም።+ ዓላዊት ቤት ስለ ዝዀኑ፡+ ዚሰምዕ ይስማዕ፣+ ምስማዕ ዚኣቢ እውን ይእበ። 24 ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ ዕለት እዚኣ፡* ነዛ መዓልቲ እዚኣ መዝግባ። ንጉስ ባቢሎን በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ የሩሳሌም መጥቃዕቲ ፈንዩ ኣሎ።+ 3 ብዛዕባ እታ ዓላዊት ቤት ከኣ ምስላ* መስል፡ ብዛዕባኦም እውን ከምዚ በል፦ “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ቍራዕ ሰኽትት፣ ኣብ ሓዊ ሰኽትቶ እሞ ማይ ኣዕርቐሉ።+ 4 እተመትረ ስጋ፡+ ኵሉ ጽቡቕ ምታር፡ ሰለፍን ኢድን ግበረሉ፣ ብሕሩይ ኣዕጽምቲ ምልኣዮ። 5 ካብቲ መጓሰ ሕሩይ በጊዕ ውሰድ፣+ ኣብ ዙርያ እቲ ቝራዕ ድማ እያድ ጸፍጽፍ። ነቲ ምታር ኣብስሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣዕጽምቲ እውን ጠጥቆ።”’ 6 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም፡+ እታ ምራተኣ ዘየልገሰ መራት ቍራዕ ወይለኣ! በብምታር እናኣውጻእካ ጥራያ ግበራ፣+ ንዕኡ ዕጫ ኣይተውድቕ። 7 ደማስ ኣብ ውሽጣ እዩ፣+ ኣብ መላጥ ከውሒ ኣፍሲሳቶ እያ። ብሓመድ ክትከድኖስ ኣብ ምድሪ ኣየፍሰሰቶን።+ 8 ንምፍዳይ ሕነ ነድሪ ምእንቲ ኸለዓዕልሲ፡ ደማ ምእንቲ ኸይክደን፡ ኣብ ዜንጸባርቕ መላጥ ከውሒ ገይረዮ ኣለኹ።’+ 9 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም ወይለኣ!+ ብዙሕ ዕንጨይቲ ኽጽፍጽፍ እየ። 10 እያድ ኰምር፡ ሓዊ እውን እጐድ፣ ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፡ ነቲ መረቕ ኣፍስሶ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ድማ ኣሕርሮ። 11 እቲ ጥራዩ ዝዀነ ቝራዕ ምእንቲ ኺረስን፡ ነሓሱ ኣጸቢቑ ኺረስንሲ፡ ኣብ ጓህሪ ሰኽትቶ። ርኽሰቱ ኣብ ውሽጡ ኺመክኽ፡+ ምራተኡ ድማ ኪብላዕ እዩ። 12 እቲ ብርቱዕ ምራተ ኣይኪለቅቕን እዩ እሞ፡+ ዜበሳጩን ዜድክምን እዩ። ምስ ምራተኡ ናብ ሓዊ ደርብዮ!’ 13 “‘ርኽሰትኪ ብሰንኪ ጽያፍኪ እዩ።+ ከጽርየኪ ፈቲነስ፡ ካብ ርኽሰትኪ ኣይጸረኽን። ነድረይ ክሳዕ ዚዝሕል ኣይክትጸርይን ኢኺ።+ 14 ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። ኪኸውን ድማ እዩ። ርእሰይ ከይገታእኩ፡ ከይጐሃኹ፡ ከይተጥዓስኩ ስጕምቲ ኽወስድ እየ።+ ከም መገድታትክን ከም ግብርታትክን ኪፈርዱኺ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 15 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 16 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነታ ፍትውትኻ ብሓንቲ ውቅዒት ክወስዳ እየ።+ ኣይትሕዘን፡* ኣይትብከ፡ ኣይትንባዕ እውን። 17 ስቕ ኢልካ ደኣ እህህ በል፣ ንምዉታት ድማ ኣይትሕዘነሎም።+ መጠምጠምያኻ ጠምጥም፡+ ኣሳእንካ ውደ።+ ጭሕምኻ* ኣይትኽደን፡+ ካልኦት ዜምጽኡልካ እንጌራ* እውን ኣይትብላዕ።”+ 18 ነቶም ህዝቢ ድማ ንግሆ ተዛረብክዎም፣ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት። ስለዚ፡ ንግሆ፡ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ። 19 እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እዚ እትገብሮ ዘለኻስ ንዓና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትነግረናን ኢኻ፧” ይብሉኒ ነበሩ። 20 ኣነ ኸኣ ከምዚ ኢለ መለስኩሎም፦ “ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 21 ‘ንቤት እስራኤል ንገሮም፦ “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንመቕደሰይ፡ ነታ ምንጪ ዓብዪ ትምክሕትኹም፡ ነታ ፍትውትኹምን ትምኒት ልብኹምን* ከርክሳ እየ።+ እቶም ድሕሬኹም ዝሓደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ 22 ሽዑ፡ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑን፡ ካልኦት ዜምጽኡልኩም እንጌራ እውን ኣይክትበልዑን ኢኹም።+ 23 መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፡ ኣሳእንኩም እውን ኣብ ኣእጋርኩም ኪኸውን እዩ። ኣይክትበኽዩን፡ ኣይክትነብዑን እውን ኢኹም። የግዳስ፡ ብስሕተት ክትምህምኑ፡+ ንሓድሕድኩም ድማ እህህ ክትባሃሃሉ ኢኹም። 24 ህዝቅኤል ድማ ምልክት ኰይኑልኩም ኣሎ።+ ከምቲ ዝገበሮ ኽትገብሩ ኢኹም። እዚ ምስ ኰነ፡ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።’”’” 25 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ በታ ንዕርዶም፡—ነታ ጽብቕቲ መሐጐሲቶምን ነታ ዚፈትውዋን ነታ ትምኒት ልቦምን፡*—ምስ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ካባታቶም ዝወስደላ መዓልቲ፡+ 26 ሓደ ዘምለጠ ኺነግረካ እዩ።+ 27 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣፍካ ኽትከፍት፡ ነቲ ዘምለጠ ድማ ክትዛረቦ፡ ደጊም እውን ዓባስ ኣይክትከውንን ኢኻ።+ ንዓታቶም ምልክት ክትከውን ኢኻ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።” 32 ኣብ መበል 12 ዓመት፡ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዛዕባ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ልቕሶ ኣልቅስ፣ ከምዚ ኸኣ በሎ፦ ‘ከም ሽደን ኣንበሳ ኣህዛብ ኔርካ፣ግናኸ፡ ስቕ ከም እትብል ተጌርካ። ኣብ ኣፍላግካ ጨንደላሕ ከም ዚብል ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ ኔርካ፣+ነቲ ማያት ብኣእጋርካ ትዘርጎ፡ ነቲ ኣፍላግ* ድማ ተበላሽዎ ኔርካ።’ 3 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብኣኼባ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረ መርበበይ ኣብ ልዕሌኻ ኸውድቕ እየ፣ንሳቶም ከኣ ብመርበበይ ኪስሕቡኻ እዮም። 4 ኣብ ምድሪ ኽሓድገካ እየ፣ናብ መሮር ክድርብየካ እየ። ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባኻ ኸስፍረን እየ፣ንኣራዊት ብዘላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኸጽግቦም እየ።+ 5 ንስጋኻ ኣብ ኣኽራን ክድርብዮ፡ንስንጭሮታት ከኣ ብገምብኻ ኽመልኦ እየ።+ 6 ነታ ምድሪ በቲ ቡሕቡሕ ዚብል ደምካ ኽሳብ ኣኽራን ከጠስጥሳ፡ንሱ ድማ ነቲ ወሓይዝ ኪመልኦ እዩ።’* 7 ‘ምስ ጠፋእካ፡ ንሰማያት ከጐልብቦ፡ ንኸዋኽብቶም ከኣ ከጸልምቶም እየ። ንጸሓይ ብደበናታት ከጐልብባ እየ፣ወርሒ ድማ ብርሃና ኣይክትህብን እያ።+ 8 ብሰርኻ ንዅሉ ዜብርህ ብርሃናት ሰማያት ከጸልምቶ፡ንምድርኻ ኸኣ ብጸልማት ክኸድና እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 9 ‘ንምሩኻትካ ናብ ካልኦት ኣህዛብ፡ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገራት ምስ መራሕክዎም፡+ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከጨንቕ እየ። 10 ሰይፈይ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ኣንበጥበጥኩ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ከስደምም፡ነገስታቶም ድማ ሰኪሖም ኬንፈጥፍጡ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ፡ ነፍሲ ወከፍ ንህይወቱ ስለ ዚፈርህ፡ብቐጻሊ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።’ 11 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሌኻ ኽትመጽእ እያ።+ 12 ንጭፍራኻ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ጀጋኑ፡በቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ ኣዝዮም ጨካናት ዝዀኑ፡ ከውድቖ እየ።+ ትምክሕቲ ግብጺ ኼፍርሱ እዮም፣ ኵሉ ጭፍራኣ ድማ ኪጠፍእ እዩ።+ 13 ንዅለን ማላ ኣብ ጥቓ እቲ ብዙሕ ማያታ ኸጥፍአን እየ፣+እግሪ ሰብ ኰነ ሸዀና ማል ከኣ ደጊም ኣይኪዘርጎን እዩ።’+ 14 ‘ሽዑ፡ ንማያቶም ከጽርዮ፡ንኣፍላጎም ድማ ከም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 15 ‘ንግብጺ ባድም ምስ ገበርክዋ፡ ነታ ምድሪ ኸኣ ኵሉ እቲ መሊእዋ ዝነበረ ምስ ገፈፍክዋ፡+ንዅሎም ነበርታ እውን ምስ ወቓዕክዎም፡ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።+ 16 እዚ ልቕሶ እዩ፣ ሰባት ድማ ብርግጽ ኬልቅስዎ እዮም፣ኣዋልድ ኣህዛብ ኬልቅሳኦ እየን። ብዛዕባ ግብጽን ብዛዕባ ዅሉ እቲ ጭፍራኣን ኬልቅሳኦ እየን’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 17 ኣብ መበል 12 ዓመት፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 18 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጭፍራ ግብጺ ዋይዋይ በለሉ፣ ንዓኣን ንኣዋልድ እቶም ሓያላት ኣህዛብን ከኣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ፡ ናብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ኣውርደን። 19 “‘ብጽባቐስ ካብ መን ትበልጽ፧ ውረድ፡ ምስቶም ዘይግዙራት በጥ በል!’ 20 “‘ኣብ መንጎ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም።+ ንሰይፊ ተዋሂባ ኣላ፣ ምስ ኵሉ ጭፍራኣ ጕተትዋ። 21 “‘እቶም ሓያላት ጀጋኑ ኻብ መዓሙቝ መቓብር* ንዕኡን ንደገፍቱን ኪዛረብዎም እዮም። ብርግጽ ኪወርዱ፡ ከምቶም ዘይግዙራት፡ ከምቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ በጥ ኪብሉ እዮም። 22 ኣሶር ምስ ኵሉ ኣኼባኣ ኣብኡ ኣላ። ኣብ ዙርያኡ መቓብራቶም ኣሎ፣ ኵላቶም ብሰይፊ ዝወደቑ እዮም።+ 23 መቓብራታ ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ፡* ኣኼባኣ ኸኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ፣ ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበሩ፡ ኵላቶም ብሰይፊ ዝወደቑ እዮም። 24 “‘ዔላም+ ምስ ኵሉ ጭፍራኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣላ፣ ኵላቶም ብሰይፊ ዝወደቑ እዮም። እቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሸብሩ፡ ከይተገዝሩ ናብታ ታሕተወይቲ ምድሪ ወሪዶም ኣለዉ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ኸኣ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። 25 ንዓኣ ምስ ኵሉ ጭፍራኣ ኣብ መንጎ እቶም ቅቱላት ኣብ ዙርያ መቓብራታ ዓራት ኣንጺፎምላ ኣለዉ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበሩ፡ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም፣ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ድማ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። ንሱ ኣብ መንጎ ቕቱላት ተነቢሩ ኣሎ። 26 “‘ሜሴክን ቱባልን+ ኵሉ ጭፍራኦምን* ኣብኡ ኣለዉ። መቓብራታ ኣብ ዙርያኡ እዩ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበሩ፡ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተወግኡ እዮም። 27 ምስቶም ዝወደቑ፡ ምስ ኣጽዋር ውግኦም እውን ናብ መቓብር* ዝወረዱ ዘይግዙራት ሓያላት ጀጋኑዶ በጥ ኣይኪብሉን እዮም፧ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበሩ፡ ኣስያፎም ኣብ ትሕቲ ኣራእሶም* ኬንብሩ እዮም፣ ሓጢኣቶም ከኣ ኣብ ኣዕጽምቶም ኪኸውን እዩ። 28 ንስኻ ግና ኣብ መንጎ እቶም ዘይግዙራት ክትጭፍለቕ፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ በጥ ክትብል ኢኻ። 29 “‘ኤዶም+ ኣብኡ ኣላ፣ ነገስታታን ኵሎም ሹማምንታን ሓያላት እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ኢሎም ኣለዉ፣ ንሳቶም እውን ምስቶም ዘይግዙራትን+ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱን በጥ ኪብሉ እዮም። 30 “‘ኵሎም መሳፍንቲ* ሰሜን ምስ ኵሎም እቶም ብሓይሎም ኣሸቢሮም ክነሶም ተዋሪዶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ ሲዶናውያን+ ኣብኡ ኣለዉ። ከይተገዝሩ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ኪብሉ፡ ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ኸኣ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። 31 “‘ፈርኦን ነዚ ዅሉ ኺርኢ፡ ብዅሉ እቲ ንጭፍራኡ ዝወረዶም ድማ ኪጸናናዕ እዩ፣+ ፈርኦንን ኵሉ ሰራዊቱን ብሰይፊ ኪቕተሉ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 32 “‘ኣብ ምድሪ ህያዋን ስለ ዘሸበረ፡ ፈርኦን ምስ ኵሉ ጭፍራኡ፡ ምስቶም ዘይግዙራት፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ከም ዚብል ኪግበር እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 7 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንምድሪ እስራኤል ከምዚ ይብላ ኣሎ፦ ‘መወዳእታ፡ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ምድሪ መወዳእታ መጺኡ። 3 ሕጂ መወዳእታ ኣብ ልዕሌኺ እዩ፣ ኣነ ኸኣ ቍጥዓይ ክፍንወልኪ እየ፣ ከም መገድታትኪ ኽፈርደኪ፡ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ድማ ተሓታቲት ክገብረኪ እየ። 4 ዓይነይ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገድታትክስ ከምጽኣልኪ፡ ብሳዕቤናት እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ እውን ክትሳቐዪ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’+ 5 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ መዓት፡ ፍሉይ መዓት ይመጽእ ኣሎ።+ 6 መወዳእታ ይመጽእ ኣሎ፣ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ፣ ኣንጻርኪ ኺልዓል* እዩ። እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ። 7 ኣታ ኣብዛ ምድሪ እትነብር፡ ተራኻ* መጺኡ። እቲ ግዜ ይመጽእ ኣሎ፣ እታ መዓልቲ ቐሪባ እያ።+ ኣብ ኣኽራን እልልታ ዘይኰነስ፡ ዕግርግር ኣሎ። 8 “‘ኣብ ኣዝዩ ቐረባ ግዜ፡ ነድረይ ክኽዕወልኪ፡+ ቍጥዓይ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ክፍንወልኪ እየ፣+ ከም መገድታትኪ ኽፈርደኪ፡ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ድማ ተሓታቲት ክገብረኪ እየ። 9 ዓይነይ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገድታትኪ ኸምጽኣልኪ፡ ብሳዕቤናት እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ እውን ክትሳቐዪ ኢኺ። ኣነ የሆዋ እወቕዓኩም ከም ዘለኹ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 10 “‘እንሃ፡ እታ መዓልቲ! እንሃ፡ ትመጽእ ኣላ!+ ተራኺ* መጺኡ፣ በትሪ ዓምቢባ፡ ድፍረት ከኣ በቚሉ ኣሎ። 11 ዓመጻ ዓብዩስ በትሪ እከይ ኰይኑ ኣሎ።+ ንሳቶም ኰኑ፡ ሃብቶም ኰነ፡ ህዝቦም ኰነ፡ ወይ ዝናኦም ኣይኪተርፍን እዩ። 12 እቲ ግዜ ኺመጽእ እዩ፣ እታ መዓልቲ ኽትኣክል እያ። ኣብ ብዘሎ እቲ ህዝቦም ቍጥዓ ኣሎ እሞ፡ ዓዳጊ ኣይተሓጐስ፡ ሸያጢ እውን ኣይሕዘን።*+ 13 ከመይሲ፡ እቲ ራእይ ኣንጻር ብዘሎ እቲ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ሸያጢ ህይወቱ እኳ እንተ ተናሕፈት፡ ናብቲ እተሸጠ ኣይኪምለስን እዩ። ሓደ እኳ ኣይኪምለስን እዩ፣ ብሰንኪ ስሕተቱ* ድማ፡ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይኪተርፍን እዩ። 14 “‘መለኸት ነፊሖም እዮም፣+ ኵሉ እውን ተዳልዩ ኣሎ፣ ቍጥዓይ ኣብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ስለ ዝዀነ ግና፡ ሓደ እኳ ናብ ውግእ ዚኸይድ የልቦን።+ 15 ኣብ ወጻኢ ሰይፊ፡+ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ለበዳን ጥሜትን ኣሎ። ኣብ መሮር ዘሎ ዘበለ ብሰይፊ ኺመውት እዩ፣ ነቶም ኣብ ከተማ ዘለዉ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪውሕጦም እዩ።+ 16 እቶም ካባታቶም ዜምልጡ ተረፎም ናብ ኣኽራን ኪኸዱ፡ ከም ረገቢት ስንጭሮታት ከኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ብስሕተቶም ኪቝዝሙ እዮም።+ 17 ኵለን ኣእዳዎም ኪለምሳ፡ ኵለን ኣብራኾም ድማ ማይ ኪፈስሰን እዩ።*+ 18 ማቕ ተኸዲኖም ኣለዉ፣+ ምንቅጥቃጥ ከኣ ሒዝዎም* ኣሎ። ኵሉ ኺሓፍር፡ ኵሉ ርእሲ እውን ኪምለጥ እዩ።*+ 19 “‘ብሩሮም ኣብ ጐደናታት ኪድርብዩ፡ ወርቆም ከኣ ንዓታቶም ፍንፉን ኪኸውን እዩ። ብመዓልቲ ነድሪ የሆዋ ብሩሮም ኰነ ወርቆም ኣይኬድሕኖምን እዩ።+ ዜስሕት መዐንቀፊ ዀይንዎም እዩ እሞ፡* ኣይኪጸግቡን፡* ከብዶም እውን ኣይኪመልኡን እዮም። 20 ብጽባቐ ስልማታቶም ተመኪሖም፡ ብእኡ* ኸኣ ፍንፉናት ምስልታትን ጽዩፋት ጣኦታትን ገይሮም እዮም።+ ስለዚ እየ ንዓታቶም ፍንፉን ከም ዚኸውን ዝገበርክዎ። 21 ንዘመተ ኣብ ኢድ ጓኖት፡ ንምርኮ ድማ ኣብ ኢድ እኩያት ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፣* ንሳቶም ድማ ኬርክስዎ እዮም። 22 “‘ገጸይ ካባታቶም ክመልስ እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ነቲ ስቱር ቦታይ* ኬርክስዎ እዮም፣ ጐሓሉት ናብኡ ኺኣትዉን ኬርክስዎን እዮም።+ 23 “‘እዛ ምድሪ ብደም ብእተጸየቐ ፍርዲ መሊኣ፡+ እዛ ኸተማ ኸኣ ብዓመጻ መሊኣ ኣላ እሞ፡+ ሰንሰለት* ግበር።+ 24 ካብ ኣህዛብ እቶም ዝኸፍኡ ኸምጽእ፡+ ንኣባይቶም ድማ ኪርስተይወን እዮም፣+ ንትምክሕቲ እቶም ሓያላት መወዳእታ ኽገብር፡ መቓድሶም ከኣ ኪረክስ እዩ።+ 25 ጭንቆም ምስ መጸ፡ ሰላም ኪደልዩ እዮም፡ ግናኸ ኣይኪህሉን እዩ።+ 26 ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት፡ ወረ ኣብ ልዕሊ ወረ ኺመጽእ እዩ፣ ካብ ነብዪ ድማ ራእይ ኪደልዩ፡+ ግናኸ ሕጊ* ኻብ ካህን፡ ምኽሪ እውን ካብ ዓበይቲ ኺጠፍእ እዩ።+ 27 ንጉስ ኪሓዝን፡+ ሹም ከኣ ቅብጸት* ኪኽደን እዩ፣ ኣእዳው ህዝቢ እታ ምድሪ ድማ ብሽበራ ራዕራዕ ኪብላ እየን። ከም መገድታቶም ክገብሮም፡ ከምቲ ዝፈረድዎ እውን ክፈርዶም እየ። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”+ 48 “ካብ ሰሜናዊ ወሰን ጀሚሩ ስማት እቶም ነገዳት እዚ እዩ፦ ግደ ዳን+ ብመገዲ ሔትሎን ናብ ለቦ-ሓማት፡*+ ናብ ሓጻር-ዔናን ይበጽሕ፣ በቲ ብሰሜን ዘሎ ዶብ ደማስቆን ብጥቓ ሓማትን+ ኣቢሉ እውን ይሓልፍ፣ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ከኣ ናብ ምዕራባዊ ዶብ ይዝርጋሕ። 2 ግደ ኣሴር+ ድማ ኣብ ዶብ ዳን፡ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 3 ግደ ንፍታሌም+ ከኣ ኣብ ዶብ ኣሴር፡ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 4 ግደ ምናሴ+ ድማ ኣብ ዶብ ንፍታሌም፡ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 5 ግደ ኤፍሬም ከኣ ኣብ ዶብ ምናሴ፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 6 ግደ ሮቤል ድማ ኣብ ዶብ ኤፍሬም፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 7 ግደ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ዶብ ሮቤል፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። "8 ኣብ ዶብ ይሁዳ ኻብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ፡ እታ እትፈልይዋ መባእ ግፍሓ 25,000 እመት፡*+ ንውሓታ ድማ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ ምስ ግደታት ካልኦት ነገዳት ማዕረ ይኹን። እታ መቕደስ ኣብ ማእከላ ኽትከውን እያ። " "9 “እታ ንየሆዋ እትፈልይዋ መባእ፡ 25,000 እመት ዝንውሓታን 10,000 ዝግፍሓን ክትከውን እያ።" "10 እዚኣ ንኻህናት ቅድስቲ መባእ ትኹን።+ ብሸነኽ ሰሜን 25,000 እመት፡ ብምዕራብ 10,000፡ ብምብራቕ 10,000፡ ብደቡብ 25,000 ክትከውን እያ። እታ መቕደስ የሆዋ ኣብ ማእከላ ኽትከውን እያ።" 11 ነቶም ንዓይ ዘለዎም ሓላፍነት እተሰከሙ፡ እስራኤላውያንን ሌዋውያንን ኪዅብልሉ ኸለዉ እውን ዘይኰብለሉ ኻብ ደቂ ጻዶቅ+ እተቐደሱ ኻህናት ክትከውን እያ።+ 12 ካብታ ኣብ ዶብ ሌዋውያን ቅድስተ ቕዱሳን ኰይና እተፈልየት መባእ እታ ምድሪ ግደ ኺህልዎም እዩ። "13 “ኣብ ወሰን እታ ሃገር ካህናት ድማ፡ እቶም ሌዋውያን 25,000 እመት ዝንውሓቱን 10,000 ዝግፍሑን ግደ ኺህልዎም እዩ። (ብዘሎ እቲ ንውሓት 25,000፡ ግፍሑ ኸኣ 10,000 እዩ።)" 14 ንየሆዋ እተቐደሰት እያ እሞ፡ ካብዛ ሕርይቲ ግደ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣይሽጡ፡ ኣይለውጡ፡ ወይ ኣየመሓላልፉ። "15 “እታ ኣብ ጐድኒ እቲ 25,000 ዝእመቱ ዶብ ዘላ 5,000 እመት ዝግፍሓ ዝተረፈት ቦታ ንሓባራዊ ጥቕሚ እታ ኸተማ፡+ ንኣባይትን ንመጓሰይን ክትከውን እያ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ማእከላ ኽትከውን እያ።+" "16 ልክዕ እታ ኸተማ እዚ እዩ፦ እቲ ሰሜናዊ ዶብ 4,500 እመት፡ እቲ ደቡባዊ ዶብ 4,500፡ እቲ ምብራቓዊ ዶብ 4,500፡ እቲ ምዕራባዊ ዶብ እውን 4,500 እዩ።" 17 መጓሰዪ እታ ኸተማ 250 እመት ናብ ሰሜን፡ 250 ናብ ደቡብ፡ 250 ናብ ምብራቕ፡ 250 እውን ናብ ምዕራብ ኪኸውን እዩ። "18 “ንውሓት እቲ ዝተረፈ ግደ ምስታ ቕድስቲ መባእ ማዕረ እዩ፣+ 10,000 እመት ናብ ምብራቕ፡ 10,000 ናብ ምዕራብ ኪኸውን እዩ። ምስታ ቕድስቲ መባእ ማዕረ እዩ፣ ፍርያቱ ኸኣ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዜገልግሉ ምግቢ ኪዀኖም እዩ።" 19 እቶም ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ኣብታ ኸተማ ዜገልግሉ ድማ ኪሓርስዋ እዮም።+ "20 “ብዘላ እታ መባእ 25,000 ትርብዒት እመት እያ። ምስ ርስቲ እታ ኸተማ፡ ቅድስቲ መባእ ጌርኩም ፍለይዋ። " "21 “እቲ ኻብታ ቕድስቲ መባእን ካብ ርስቲ እታ ኸተማን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዝተረፈ፡ ናይቲ ሹም ኪኸውን እዩ።+ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ምብራቕን ኣብ ምዕራብን እታ መባእ ዘሎ 25,000 ዝእመቱ ዶባት ኪኸውን እዩ። ምስቲ ምስኡ ዝለገበ ግደ ማዕረ ኪኸውን እዩ፣ ነቲ ሹም ድማ ኪኸውን እዩ። እታ ቕድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤተ መቕደስን ከኣ ኣብ ማእከሉ ኪዀና እየን። " 22 “ርስቲ እቶም ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን ኣብ መንጎ እቲ ናይቲ ሹም ኪኸውን እዩ። ሃገር እቲ ሹም ከኣ ኣብ መንጎ ዶብ ይሁዳን+ ዶብ ብንያምን ኪኸውን እዩ። 23 “ነቶም ዝተረፉ ነገዳት ድማ፡ ግደ ብንያም ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ።+ 24 ግደ ስምኦን ከኣ ኣብ ዶብ ብንያም፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 25 ግደ ይሳኮር+ ድማ ኣብ ዶብ ስምኦን፡ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 26 ግደ ዛብሎን ከኣ ኣብ ዶብ ይሳኮር፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ።+ 27 ግደ ጋድ ድማ ኣብ ዶብ ዛብሎን፡+ ካብ ምብራቓዊ ዶብ ክሳብ ምዕራባዊ ዶብ እዩ። 28 እቲ ኣብ ዶብ ጋድ ዘሎ ደቡባዊ ዶብ፡ ካብ ታማር+ ናብ ማያት መሪባ-ቃዴስ፡+ ናብቲ ርባን*+ ናብቲ ዓብዪ ባሕርን* ይበጽሕ። 29 “እታ ንነገዳት እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ፣+ እዚኣተን ድማ ግደታቶም ኪዀና እየን”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። "30 “መውጽኢታት እታ ኸተማ ኸኣ እዚ እዩ፦ እቲ ሰሜናዊ ሸነኽ 4,500 እመት ኪልካዕ እዩ።+ " 31 “ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ ብስም ነገዳት እስራኤል ኪስመ እዩ። ካብቲ ኣብ ሰሜን ዚህሉ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንሮቤል፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንይሁዳ፡ ሓደ ኣፍ ደገ ድማ ንሌዊ እዩ። "32 “እቲ ምብራቓዊ ሸነኽ ድማ 4,500 እመት ዝንውሓቱ ኪኸውን እዩ፣ ኣብኡ እውን ሰለስተ ኣፍ ደገታት ኪህሉ እዩ፦ ሓደ ኣፍ ደገ ንዮሴፍ፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንብንያም፡ ሓደ ኣፍ ደገ ኸኣ ንዳን እዩ። " "33 “እቲ ደቡባዊ ሸነኽ ድማ 4,500 እመት ኪልካዕ እዩ፣ ሰለስተ ኣፍ ደገ እውን ኪህልዎ እዩ፦ ሓደ ኣፍ ደገ ንስምኦን፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንይሳኮር፡ ሓደ ኣፍ ደገ ኸኣ ንዛብሎን እዩ። " "34 “እቲ ምዕራባዊ ሸነኽ ድማ 4,500 እመት ዝንውሓቱ ኪኸውን እዩ፣ ሰለስተ ኣፍ ደገ እውን ኪህልዎ እዩ፦ ሓደ ኣፍ ደገ ንጋድ፡ ሓደ ኣፍ ደገ ንኣሴር፡ ሓደ ኣፍ ደገ ኸኣ ንንፍታሌም እዩ። " "35 “ዙርያኣ 18,000 እመት ኪኸውን እዩ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ስም እታ ኸተማ፡ የሆዋ ኣብኣ ኣሎ ኪኸውን እዩ።”+" "45 “‘ነታ ምድሪ ርስቲ ጌርኩም ክትመቕልዋ ኸለኹም፡+ ንየሆዋ መባእ፡ ካብታ ምድሪ ቕድስቲ ግደ ሃብዎ።+ ንውሓታ 25,000 እመት፡* ግፍሓ 10,000 እመት ይኹን።+ ብዘላ እታ ቦታ፡* ቅድስቲ ግደ ኽትከውን እያ።" 2 ኣብ ውሽጢ እዚኣ ኸኣ ነታ መቕደስ እትኸውን 500 እመት ብ500 እመት* ዝልክዓ ትርብዒት ክትህሉ እያ፣+ ኣብ ኵሉ ሸነኻ ድማ 50 እመት መጓሰዪ ኺህልዋ እዩ።+ "3 ካብዛ ልክዕ እዚኣ 25,000 ዝንውሓታን 10,000 ዝግፍሓን ለክዕ፣ ኣብ ውሽጣ ኸኣ መቕደስ፡ ቅድስተ ቕዱሳን ክትህሉ እያ።" 4 እዛ ቕድስቲ ግደ እታ ምድሪ፡ ነቶም ኣገልገልቲ እታ መቕደስ ዝዀኑ ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚቐርቡ+ ኻህናት ክትከውን እያ።+ ንኣባይቶም ቦታ፡ ነታ መቕደስ እውን ቅድስቲ ቦታ ኽትከውን እያ። "5 “‘ነቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ ዝዀኑ ሌዋውያን፡ 25,000 እመት ዝንውሓታን 10,000 እመት ዝግፍሓን ግደ ኽትህሉ እያ፣+ 20 መመገቢ ኽፍልታት*+ ከኣ ርስቶም ኪዀና እየን። " "6 “‘ንርስቲ እታ ኸተማ ድማ ማዕረ እታ ቕድስቲ መባእ 25,000 እመት ዝንውሓታ፡ 5,000 እመት ከኣ ዝግፍሓ ቦታ ሃቡ።+ ንሳ ኸኣ ናይ ኵሎም ቤት እስራኤል ክትከውን እያ። " 7 “‘ነቲ ሹም ድማ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እታ ቕድስቲ መባእን እታ ነታ ኸተማ እተመደበት ቦታን ምድሪ ኽትህሉ እያ። ኣብ ጥቓ እታ ቕድስቲ መባእን ርስቲ እታ ኸተማን ክትከውን እያ። ብሸነኽ ምዕራብን ብሸነኽ ምብራቕን ክትከውን እያ። ካብ ምዕራባዊ ዶብ ክሳብ ምብራቓዊ ዶብ ዘለዋ ንውሓት ማዕረ ሓደ ኻብ ግደታት ነገድ ኪኸውን እዩ።+ 8 እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ እስራኤል ርስቱ ኽትከውን እያ። ሹማምንተይ ድማ ደጊም ንህዝበይ ኣይኪገፍዕዎን እዮም፣+ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ነታ ምድሪ ኺህብዎም እዮም።’+ 9 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣቱም ሹማምንቲ እስራኤል፡ ይእከልኩም!’ “‘ንዓመጻኹምን ንጭቈናኹምን መወዳእታ ግበሩሉ፣ ፍትሕን ጽድቅን ድማ ግበሩ።+ ንብረት ህዝበይ ኣይትመንዝዑ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 10 ‘ልክዕ ሚዛንን ልክዕ ኤፋን* ልክዕ ባትን* ተጠቐሙ።+ 11 ኤፋን ባትን ውሱን ልክዕ ይሃልዎ። ባት ዓስራይ ኣፍ ሖመር* ይኹን፣ ኤፋ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ሖመር ይኹን። ሖመር ድማ ስሩዕ መለክዒኡ ይኹን። 12 ሲቃል*+ ከኣ 20 ጌራ* እዩ። 20 ሲቃልን 25 ሲቃልን 15 ሲቃልን ድማ ሓደ ማነ* ይኹነልኩም።’ 13 “‘እቲ ንስኻትኩም እተቕርብዎ መባእ እዚ እዩ፦ ከካብ ሖመር ስርናይ፡ ሻድሻይ ኣፍ ኤፋ፡ ከካብ ሖመር ስገም ድማ ሻድሻይ ኣፍ ኤፋ። 14 እቲ እጃም ዚኸውን ዘይቲ ኸኣ ብባት እዩ ዚልካዕ። ባት ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ* እዩ፣ ዓሰርተ ባት ከኣ ሖመር እዩ፣ ዓሰርተ ባትሲ ምስ ሖመር ማዕረ እዩ። 15 ካብ መጓሰ ማል እስራኤል ድማ፡ ከካብ 200፡ ሓንቲ በጊዕ ትወሃብ። እዚ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንምትዕራቕ፡+ ንመስዋእቲ እኽልን+ ብምሉኡ ንዚሓርር መስዋእትን+ ንመስዋእቲ ሕብረትን+ ኪኸውን እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 16 “‘ኵሎም እቶም ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ነዚ መባእ+ እዚ ነቲ ሹም እስራኤል ኪህብዎ እዮም። 17 እቲ ሹም ከኣ ብግዜ በዓላትን+ ሰርቂ ወርሕን ሰናብትን+ ኵሉ ምዱብ በዓላት ቤት እስራኤልን+ ሓላፍነት እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን ኪስከም እዩ። ንቤት እስራኤል ንምትዕራቕ ድማ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣትን ንመስዋእቲ እኽልን ብምሉኡ ንዚሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ ሕብረትን ዚኸውን ዜቕርብ ንሱ እዩ።’ 18 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ካብ ከብቲ ጥዑይ ዝራብዕ ውሰድ እሞ ነታ መቕደስ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሃያ።+ 19 እቶም ካህናት ካብ ደም እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ወሲዶም፡ ኣብ ልዳት እታ ቤተ መቕደስን+ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣብ ዙርያ ዘሎ ሕዳግ መሰውእን ኣብ ልዳት ኣፍ ደገ እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድን ኪገብሩ እዮም። 20 ብጌጋ ወይ ብዘይፍላጥ ንዚሓጥእ ሰብ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምኡ ኽትገብር ኢኻ፣+ ነታ ቤተ መቕደስ ድማ ከተተዓርቕዋ ኢኹም።+ 21 “‘ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ በዓል ፋስጋ ኸተብዕሉ ኢኹም።+ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ይበላዕ።+ 22 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሹም ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ዚኸውን ዝራብዕ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኬቕርብ እዩ።+ 23 ኣብተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲ በዓል ከኣ፡ ኣብ ኵለን እተን ሸውዓተ መዓልቲ፡+ ንየሆዋ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ሸሸውዓተ ጥዑያት ዝራብዓትን ሸሸውዓተ ጥዑያት ደዓውልን፡ ኣብ መመዓልቲ ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓሓደ ወጠጦ ኬቕርብ እዩ። 24 መስዋእቲ እኽሊ ዚኸውን ከኣ ነንዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነንድዑል ድማ ሓደ ኤፋ፡ ነንኤፋ እውን ሓደ ሂን* ዘይቲ የቕርብ። 25 “‘ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲ በዓል፡+ ሕደ መስዋእቲ ሓጢኣትን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ዘይትን የቕርብ።’” 12 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ኣብ ዓላዊት ቤት ኢኻ እትነብር ዘለኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡+ ንምርኣይ ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣ ንምስማዕ ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን።+ 3 ንስኻ ድማ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ስደት ክትከይድ ንዓኻ ኣቕሑ ጕዕዞ ኣዳሉ። ድሕሪኡ፡ ብመዓልቲ ንሳቶም እናረኣዩ፡ ናብ ስደት ኪድ። እናረኣዩ ኻብ ዓድኻ ናብ ካልእ ቦታ ናብ ስደት ኪድ። ዓላዊት ቤት እኳ እንተ ዀኑ፡ ምናልባት የስተብህሉ ይዀኑ። 4 ብመዓልቲ እናረኣዩ ነቲ ናብ ስደት ንምኻድ እተጠርነፈ ኣቕሑ ጕዕዞኻ ኣውጽእ፣ ብምሸት እናረኣዩ ኸኣ፡ ናብ ስደት ከም ዚውሰድ ሰብ ኴንካ ኺድ።+ 5 “እናረኣዩ፡ ነቲ መንደቕ ኵዒትካ ኣንኵሎ፣ ብእኡ ድማ ንብረትካ ኣውጽእ።+ 6 እናረኣዩ፡ ንንብረትካ ኣብ መንኵብካ ግበሮ፡ ብጸልማት ከኣ ጾይርካ ኣውጽኣዮ። ኣብ ቤት እስራኤል ምልክት እገብረካ ኣለኹ እሞ፡+ ምድሪ ኸይትርእስ ገጽካ ሸፍን።” 7 ኣነ ድማ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ። ብመዓልቲ ንኣቕሑ ጕዕዞይ ናብ ስደት ከም ዚኸይድ ኣቕሑ ጕዕዞ ገይረ ኣውጻእክዎ፣ ብምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኵዒተ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ንብረተይ ኣብ መንኵበይ ጾይረ ኣውጻእኩ። 8 ንግሆ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 9 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል፡ እታ ዓላዊት ቤት፡ ‘እንታይ ኢኻ እትገብር ዘለኻ፧’ ኢላዶ ኣይሓተተትካን፧ 10 ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እዚ ኸቢድ መልእኽቲ እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ሹምን+ ንዅሎም እቶም ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ዘለዉ ቤት እስራኤልን ዚምልከት እዩ”’ በሎም። 11 “ከምዚ በል፦ ‘ኣነ ንዓኻትኩም ምልክት እየ።+ ከምቲ ዝገበርክዎ፡ ንሳቶም ከምኡ ኺግበሩ እዮም። ናብ ስደት፡ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም።+ 12 እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሹም ንብረቱ ኣብ መንኵቡ ገይሩ ብጸልማት ኪኸይድ እዩ። ነቲ መንደቕ ኵዒቱ ኸንኵሎ፡ ብእኡ ንብረቱ ጾይሩ ኺወጽእ እዩ።+ ንምድሪ ኸይርኢ ገጹ ኺሽፍን እዩ።’ 13 መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ ኽድርቢ እየ፣ ብመርበብ ሃድነይ ድማ ኪትሓዝ እዩ።+ ሽዑ፡ ናብ ባቢሎን፡ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጽኦ እየ፣ ንሱ ግና ኣይኪርእያን እዩ፣ ኣብኣ እውን ኪመውት እዩ።+ 14 ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ፡ ነቶም ዚረድእዎን ንሰራዊቱን፡ ናብ ኵሉ ኣንፈት ፋሕ ከብሎም እየ፣+ ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ እውን ክመልሕ እየ።+ 15 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ምስ በተንክዎምን ኣብ መንጎ ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ድማ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 16 ግናኸ፡ ኣብቶም ዚኸድዎም ኣህዛብ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራቶም ምእንቲ ኺነግሩ፡ ሒደት ካባታቶም ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ካብ ለበዳን ክንሕፍ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።” 17 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 18 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፡ ማይካ እውን ብነውጽን ብጭንቀትን ስተ።+ 19 ንህዝቢ እታ ምድሪ ኸምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንነበርቲ እታ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዘላ የሩሳሌም ኸምዚ ይብል፦ “ምድሮም ብሰሪ ዓመጻ ዅሎም እቶም ኣብኣ ዚቕመጡ+ ጠሪሳ ኽትባድም እያ እሞ፡+ እንጌራኦም ብጭንቀት ኪበልዑ፡ ማዮም እውን ብራዕዲ ኺሰትዩ እዮም። 20 እተን ነበርቲ ዝነበርወን ከተማታት ኪዓንዋ እየን፣ እታ ምድሪ ድማ ባድም ክትከውን እያ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።”’”+ 21 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 22 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣብ እስራኤል ዘሎ፡ ‘መዓልትታት ይሓልፋ፡ ኵሉ ራእይ ድማ ከንቱ ይኸውን’ ዚብል ምስላስ እንታይ እዩ፧+ 23 ስለዚ፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ድሕሪ ደጊም ኣይኪምሰልን እዩ”’ በሎም። ግናኸ፡ ‘እተን መዓልትታት ቀሪበን እየን፣+ ኵሉ ራእይ ድማ ኪፍጸም እዩ’ ኢልካ ንገሮም። 24 ከመይሲ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት እስራኤል ደጊም ናይ ሓሶት ራእይ ወይ ናይ ሽሕጣን* ጥንቈላ ኣይኪህሉን እዩ።+ 25 ‘“ኣነ የሆዋስ ክዛረብ እየ። ኣነ ዝዛረቦ ዘበለ ቓል ከይደንጐየ ኺግበር እዩ።+ ኣቱም ዓላዊት ቤት፡ ብመዓልትታትኩም+ ቃል ክዛረብ፡ ክፍጽሞ እውን እየ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’” 26 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 27 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ህዝቢ* እስራኤልሲ፡ ‘እቲ ዚርእዮ ራእይ ካብ ሕጂ ንነዊሕ ግዜ እዩ፣ ንርሑቕ ግዜ ድማ እዩ ዚንበ ዘሎ’ ይብሉ ኣለዉ።+ 28 ስለዚ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ካብ ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ፣ ኣነ ዝብሎ ዘበለ ኺግበር እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’” 1 ኣብ መበል 30 ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር+ ዝነበሩ ምሩኻት+ ከለኹ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ ኣነ እውን ራእያት ኣምላኽ ረኣኹ። 2 ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡—ማለት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ምርኮ ንጉስ ዮያኪን፡+— 3 ቃል የሆዋ ናብ ህዝቅኤል* ወዲ ቡዚ እቲ ኻህን፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር፡ ኣብ ምድሪ ከለዳውያን መጸ።+ ኣብኡ ኸኣ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መጸት።+ 4 ክጥምት ከለኹ ድማ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ+ ካብ ሰሜን ኪመጽእ ረኣኹ፣ ብብሩህ ብርሃን እተኸብበ ዓብዪ ደበናን ማሕማሕ ዚብል ሓውን*+ ነበረ፣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ኸኣ ከም ሕዋስ ወርቅን ብሩርን+ ዝበለ ነበረ። 5 ኣብ ውሽጡ ድማ ከም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ዝበሉ ነበሩ፣+ ትርኢት ነፍሲ ወከፎም ከኣ ንሰብ ይመስል ነበረ። 6 ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽን ኣርባዕተ ኽንፍን ነበሮ።+ 7 ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ነበረ፣ ከብዲ እግሮም ከም ናይ ምራኽ ነበረ፣ ከም ምንጽብራቕ እተወልወለ ነሓሲ ኸኣ የብርሁ ነበሩ።+ 8 ኣብ ኵሉ ኣርባዕተ ሸነኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም፡ ኣእዳው ሰብ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ድማ ገጽን ክንፍን ነበሮም። 9 ኣኽናፎም ንሓድሕደን ይተናኸያ ነበራ። ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣይጥወዩን ነበሩ፣ ነፍሲ ወከፎም ትኽ ኢሎም ንቕድሚት ይኸዱ ነበሩ።+ 10 ገጾም ከኣ ከምዚ ይመስል ነበረ፦ ኣርባዕቲኦም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገጽ ሰብ፡ ብየማኖም ከኣ ገጽ ኣንበሳ፡+ ብጸጋሞም እውን ገጽ ብዕራይ+ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገጽ ንስሪ+ ነበሮም።+ 11 ገጾም ከኣ ከምኡ ነበረ። ኣኽናፎም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ተዘርጊሐን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ንሓድሕደን ዚተናኸያ ኽልተ ኽንፍን ንሰብነቶም ዚሽፍና ኽልተ ኽንፍን ነበራኦም።+ 12 ነፍሲ ወከፎም ትኽ ኢሎም ንቕድሚኦም ይኸዱ፡ ናብቲ እቲ መንፈስ ኪኸድዎ ዘበሎም ኣቢሎም ከኣ ይኸዱ ነበሩ።+ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣይጥወዩን ነበሩ። 13 ትርኢት እቶም ህያዋን ፍጡራት ድማ ከም ጕሁር ጓህሪ ሓዊ ነበረ፣ ከም ፋናታት ብሩህ ሓዊ ዝበለ ነገር ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ህያዋን ፍጡራት ናብዝን ናብትን ይመላለስ ነበረ፣ ካብቲ ሓዊ እውን በርቂ ይወጽእ ነበረ።+ 14 እቶም ህያዋን ፍጡራት ኪኸዱን ኪምለሱን ከለዉ ድማ፡ እቲ ምንቅስቓሶም ትርኢቱ ኸም በርቅታት ነበረ። 15 ነቶም ህያዋን ፍጡራት ክጥምቶም ከለኹ፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ እቶም ኣርባዕተ ዝገጾም ህያዋን ፍጡራት ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ነበረ።+ 16 ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ክሪሶሊት ዜንጸባርቕ ነበረ፣ ኣርባዕቲኡ ኸኣ ይመሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።* 17 ምስ ዚንቀሳቐስ፡ ኪኸይድ ከሎ ኸይተጠውየ፡ ብዝዀነ እቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል ነበረ። 18 ዕንክሊላቱ ኸኣ ኣዝዩ ነዊሕ ብምዃኑ ዜፍርህ ነበረ፣ ናይ ኣርባዕቲኡ ዕንክሊላት ኣብ ዙርያኡ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ።+ 19 እቶም ህያዋን ፍጡራት ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይንቀሳቐስ ነበረ፣ እቶም ህያዋን ፍጡራት ካብ ምድሪ ኺልዓሉ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር እውን ይልዓል ነበረ።+ 20 ናብቲ እቲ መንፈስ ኪኸድዎ ዘበሎም፡ ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ* ኣብቲ መንኰራዅር እውን ነበረ እሞ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይልዓል ነበረ። 21 እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ ኣብቲ መንኰራዅር እውን ነበረ እሞ፡ ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ ይንቀሳቐስ ነበረ፣ ደው ኪብሉ ኸለዉ ድማ፡ ደው ይብል ነበረ፣ ካብ ምድሪ ኺልዓሉ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይልዓል ነበረ። 22 ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም ህያዋን ፍጡራት ከኣ፡ ከምቲ ኸም መስተንክር በረድ ዜብለጭልጭ ጠፈር ዚመስል፡ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ።+ 23 ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ፡ ኣኽናፎም ሓንቲ ምስታ ኻልእ፡ ትኽ ኢለን* ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ንሓደ ሸነኽ ሰብነቶም ንምሽፋን ክልተ ኽንፊ፡ ነቲ ኻልእ ሸነኽ ንምሽፋን እውን ክልተ ኽንፊ ነበሮም። 24 ደሃይ ኣኽናፎም ክሰምዕ ከለኹ፡ ከም ደሃይ ብርቱዕ ማያት፡ ከም ደሃይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ነበረ።+ ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ ከም ደሃይ ሰራዊት ነበረ። ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ንኣኽናፎም የውርድወን ነበሩ። 25 ኣብ ልዕሊ እቲ ጠፈር፡ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም፡ ድምጺ ነበረ። (ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ንኣኽናፎም የውርድወን ነበሩ።) 26 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ዝነበረ ጠፈር፡ ከም እምኒ ሰፊሮስ ዚመስል ነበረ፣+ እዚ እውን ዝፋን ዚመስል ነበረ።+ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ከኣ ትርኢቱ ሰብ ዚመስል ተቐሚጡ ነበረ።+ 27 ካብቲ ማዕጥቖኡ ዚመስል ኣትሒዙ ንላዕሊ ድማ ከም ሕዋስ ወርቅን ብሩርን ዜንጸባርቕ ነገር፡+ ከም ሓዊ ዝበለ ኺወጽእ ረኣኹ፣ ካብ ማዕጥቖኡ ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዚመስል ነገር ረኣኹ።+ ኣብ ዙርያኡ ድማ ብርሃን ነበረ፣ 28 ንሱ እውን ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ቀስተ ደበና ነበረ።+ ትርኢት እቲ ኣብ ዙርያ ዝነበረ ብሩህ ብርሃን ከምኡ ነበረ። ከም ትርኢት ክብሪ የሆዋ ነበረ።+ ምስ ረኣኽዎ ኸኣ፡ ብገጸይ ወደቕኩ፡ ድምጺ ዚዛረብ እውን ሰማዕኩ። 36 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዛዕባ ኣኽራን እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተነበ፦ ‘ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 2 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ጸላኢ ብዛዕባኹም፡ ‘ኣሰይ! እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ እኳ ርስትና ዀይኑ!’ ኢሉ ኣሎ።”’+ 3 “ስለዚ፡ ከምዚ ኢልካ ተነበ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ርስቲ እቶም ካብ መንጎ ኣህዛብ ዝተረፉ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ መዛረብን መሕመይን ህዝቢ ድማ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ስለ ዘባደሙኹምን ካብ ኵሉ ሸነኽ ስለ ዘጥቅዑኹምን፡+ 4 ስለዚ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስምዑ! እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንኣኽራንን ንዅርባታትን ንወሓይዝን ንስንጭሮታትን ንዝባደመ ዑናታትን+ ነተን እተዘምታን በቶም ኣብ ዙርያአን ዘለዉ ዝተረፉ ኣህዛብ መላገጺ ዝዀናን+ እተሓድጋ ኸተማታትን ከምዚ ይብል፣ 5 ነዚኣቶም እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሓዊ ቕንኣተይ+ ኣንጻር እቶም ዝተረፉ ኣህዛብን ኣንጻር ኵሉ ኤዶምን ክዛረብ እየ፣ ንሳቶምሲ ብዓብዪ ታሕጓስን ብፍጹም ንዕቀትን*+ መጓሰዪታታ ምእንቲ ኺወስዱን ምእንቲ ኺዘምትዋን ኢሎም ንምድረይ ርስቶም ገይሮም ወሲዶምዋ እዮም።’”’+ 6 “ስለዚ፡ ብዛዕባ ምድሪ እስራኤል ተነበ፡ ንኣኽራንን ንዅርባታትን ንወሓይዝን ንስንጭሮታትን ድማ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ካብ ኣህዛብ ውርደት ስለ ዝጾርኩም፡ ብቕንኣተይን ብነድረይን ክዛረብ እየ።”’+ 7 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዞም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ሕፍረቶም ከም ዚጾሩ፡ ኣነ ኢደይ ብማሕላ ኣልዒለ እየ።+ 8 ኣቱም ኣኽራን እስራኤል ግና፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍር ከተውጽኡን ፍረ ኸተፍርዩን ኢኹም፣+ ንሳቶምሲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺምለሱ እዮም። 9 ኣነስ ምሳኻትኩም እየ፣ ናባኻትኩም ከኣ ክምለስ እየ፣ ንስኻትኩም እውን ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም። 10 ንህዝብኹም፡—ንብዘሎ ቤት እስራኤል ብዅሉ፡—ከብዝሖ እየ፣ እተን ከተማታት ድማ ነባሪ ኺህልወን፡+ እቲ ዑናታት እውን ዳግም ኪህነጽ እዩ።+ 11 እወ፡ ንህዝብኹምን ንማልኩምን ከብዝሕ እየ፣+ ንሳቶም ድማ ኪበዝሑን ኪፈርዩን እዮም። ከም ቀደምኩም ከኣ ነባሪ ኸም ዚህልወኩም ክገብር እየ፣+ ካብ ሕሉፍ ብዝበለጸ ድማ ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 12 ህዝቢ፡—ህዝበይ እስራኤል፡—ኣባኻትኩም ከመላልስ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኪርስተዩኹም እዮም።+ ርስቶም ክትኰኑ ኢኹም፣ ደጊም እውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይክትገብርዎምን ኢኹም።’”+ 13 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ሰብ እትውሕጥን ንኣህዛብኪ ውሉድ እተስእንን ምድሪ ኢኺ” ይብሉኺ ስለ ዘለዉ፡’ 14 ‘ስለዚ፡ ደጊም ሰብ ኣይክትውሕጥን፡ ንኣህዛብኪ ድማ ውሉድ ዘይብሎም ኣይክትገብርን ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 15 ‘ደጊም ጸርፊ ኣህዛብ ኣይከስምዓክን፡ ባጫ ህዝቢ ኸኣ ኣይከጹረክን እየ፣+ ደጊም እውን ንኣህዛብኪ ኣይከተዕንቅፍዮምን ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 16 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 17 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ኣብ ምድሮም ይቕመጡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብመገድታቶምን ብግብርታቶምን ኣርኪሶምዋ ነይሮም።+ መገድታቶም ንዓይ ከም ርኽሰት ጻግነ እዩ።+ 18 ስለዚ፡ ብሰሪ እቲ ኣብታ ምድሪ ዘፍሰስዎ ደምን ነታ ምድሪ ብጽዩፋት ጣኦታቶም* ስለ ዘርከስዋን፡+ ነድረይ ኣባታቶም ኣፍሲሰ።+ 19 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ፋሕ ኣቢለዮም፡ ኣብ መንጎ ሃገራት እውን በቲነዮም።+ ከም መገዶምን ከም ግብሮምን ፈሪደዮም። 20 ናብዞም ኣህዛብ ምስ መጹ ግና፡ ሰባት ብዛዕባኦም፡ ‘እዚኣቶምሲ ህዝቢ የሆዋ እዮም፣ ግናኸ፡ ካብ ምድሮም ወጺኦም’ ኢሎም ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርኪሶምዎ።+ 21 ስለዚ፡ ነቲ ቤት እስራኤል ኣብ መንጎ እቶም ዝኸድዎም ኣህዛብ ዘርከስዎ ቕዱስ ስመይ ክሓስበሉ እየ።”+ 22 “ስለዚ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ነዚ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ዝኸድኩምዎም ኣህዛብ ዘርከስኩምዎ ቕዱስ ስመይ እምበር፡ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።”’+ 23 ‘ነቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝረኸሰ፡ ኣብ መንጎኦም ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ብርግጽ ክቕድሶ እየ፣+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣብ መንጎኹም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፡ ኣህዛብ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 24 ‘ካብ ኣህዛብ ክወስደኩም፡ ካብ ኵለን ሃገራት ድማ ክእክበኩም፡ ናብ ምድርኹም እውን ከምጽኣኩም እየ።+ 25 ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ፡ ክትጸርዩ ድማ ኢኹም፣+ ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጽዩፋት ጣኦታትኩምን+ ከጽርየኩም እየ።+ 26 ሓድሽ ልቢ ኽህበኩም፡+ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጥኹም ከንብር እየ።+ ካብ ሰብነትኩም ልቢ እምኒ ኸርሕቕ፡+ ልቢ ስጋ* እውን ክህበኩም እየ። 27 መንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከንብር፡ ብስርዓታተይ ድማ ከመላልሰኩም እየ፣+ ፍርድታተይ ከኣ ክትሕልዉን ክትፍጽሙን ኢኹም። 28 ሽዑ፡ ኣብታ ንኣቦታትኩም ዝሃብክዎም ምድሪ ኽትቅመጡ ኢኹም፣ ህዝበይ ድማ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።’+ 29 “‘ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከድሕነኩም፡ ንእኽሊ ድማ ክጽውዖን ከብዝሖን፡ ጥሜት እውን ኣይከምጽኣልኩምን እየ።+ 30 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ደጊም ውርደት ጥሜት ምእንቲ ኸይትጾሩስ፡ ፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሕ እየ።+ 31 ሽዑ፡ ነቲ እኩይ መገድታትኩምን ነቲ ጽቡቕ ዘይኰነ ግብርታትኩምን ክትዝክሩ፡ ብሰሪ በደልኩምን ፍንፉን ተግባራትኩምን ከኣ ርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።+ 32 ግናኸ እዚ ፍለጡ፦ ነዚ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘የግዳስ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ብመገድታትኩም ሕፈሩን ተዋረዱን።’ 33 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘በታ ንዓኻትኩም ካብ ኵሉ በደልኩም ዘጽርየላ መዓልቲ፡ ነተን ከተማታት ነባሪ ኸም ዚህልወን፡+ ነቲ ዑናታት ድማ ዳግም ከም ዚህነጽ ክገብር እየ።+ 34 እታ ዅሉ ሓላፍ መገዲ ባድም ምዃና ምእንቲ ኺርእያ ዝባደመት ምድሪ ኽትሕረስ እያ። 35 “እታ ዝባደመት ምድሪ ኸም ገነት* ኤደን ኰይና ኣላ፣+ እተን ዓንየንን ባዲመንን ፈሪሰንን ዝነበራ ኸተማታት ከኣ ሕጂ እተዓርዳን ሰብ ዚነብረንን ኰይነን ኣለዋ”+ ድማ ኪብሉ እዮም። 36 እቶም ኣብ ዙርያኹም ዝተረፉ ኣህዛብ ከኣ፡ ኣነ የሆዋ ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሃነጽክዎ፡ ነቲ ዝበረሰ እውን ከም ዝተኸልክዎ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ፣ ገይረዮ እውን ኣለኹ።’+ 37 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ቤት እስራኤል እዚ ምእንቲ ኽገብረሎም ኪልምኑኒ እውን ክሓድጎም እየ፦ ንሰቦም ከም መጓሰ ኸብዝሕ እየ። 38 እተን ዑናታት ዝነበራ ኸተማታት፡ ከም መጓሰ ቕዱሳት፡ ከም መጓሰ የሩሳሌም* ብግዜ በዓላታ፡+ ብመጓሰ ሰብ ኪመልኣ እየን፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’” 29 ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 12 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ እሞ ኣንጻሩን ኣንጻር ኵላ ግብጽን ተነበ።+ 3 እዚ ቓላት እዚ ተዛረብ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ኣታ ኣብ መንጎ ወሓይዝ ኒል* በጥ እትብል ዓብዪ እንስሳ ባሕሪ፡+ኣታ፡ ‘ፈለግ ኒል ናተይ እዩ። ኣነ ንርእሰይ እየ ገይረዮ’ እትብል፡+ እንሆ ኣንጻርካ እየ።+ 4 ኣብ ምንጋጋኻ ኸኣ ዓንቃሪቦታት ክገብር፡ ንዓሳታት ኒል ኣብ ቅርፍትኻ ኸላግቦም እየ። ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ቅርፍትኻ ዝለገቡ ዓሳታት ካብ ኒልካ ኸውጽኣካ እየ። 5 ንዓኻ ምስ ኵሎም እቶም ዓሳታት ኒልካ ኣብ ምድረ በዳ ኽሓድገካ እየ። ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፣ ኣይክትእረን፡ ኣይክትእከብን እውን ኢኻ።+ ንኣራዊት ምድርን ንኣዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ኽህበካ እየ።+ 6 ሽዑ፡ ኵሎም ነበርቲ ግብጺ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፣ንሳቶምሲ ንቤት እስራኤል ካብ ሓሰር* ዘይሓይሽ ደገፍ እዮም ነይሮም።+ 7 ብኢዶም ምስ ሓዙኻ፡ ተጨፍሊቕካ፣መንኵቦም ድማ ሰንጢቕካ። ኣባኻ ምስ ተደገፉ፡ ተሴርካ፣ንኣእጋሮም* ከኣ ሰንከልከል ኣቢልካ።”+ 8 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ሰይፊ አምጽኣልካ ኣለኹ፣+ ካባኻ ድማ ሰብን እንስሳን ክምንቍስ እየ። 9 ምድሪ ግብጺ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፣+ ንስኻስ፡ ‘ፈለግ ኒል ናተይ እዩ፣ ኣነ እየ ገይረዮ’ ኢልካ ኔርካ ኢኻ እሞ፡*+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 10 ስለዚ፡ ኣነ ኣንጻርካን ኣንጻር ኒልካን እየ፣ ንምድሪ ግብጺ፡ ካብ ሚግዶል+ ክሳብ ሴኔ+ ኽሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ኸዕንዋን ከንቅጻን ከባድማን+ እየ። 11 ሰብ ኰነ ማል ብእግሪ ኣይኪሓልፋን እዩ፣+ ን40 ዓመት እውን ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ። 12 ንምድሪ ግብጺ ኻብ ኵለን ሃገራት ኣዝያ ዝባደመት ክገብራ እየ፣ ከተማታታ ኸኣ ን40 ዓመት ኣዝየን ዝባደማ ኪዀና እየን፣+ ንግብጻውያን ድማ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ መንጎ ሃገራት እውን ክብትኖም እየ።”+ 13 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ድሕሪ 40 ዓመት ንግብጻውያን ካብቶም ፋሕ ዝበሉሎም ህዝብታት ክእክቦም እየ፣+ 14 ንምሩኻት ግብጻውያን ናብ ምድሪ ጳጥሮስ፡+ ናብታ ምድሪ መበቈሎም ክመልሶም እየ፣ ዘይትረብሕ መንግስቲ ድማ ኪዀኑ እዮም። 15 ግብጺ ኻብ ካልኦት መንግስትታት ክትትሕት እያ፣ ንኻልኦት ኣህዛብ ከኣ ደጊም ኣይክትዕብልልን እያ።+ ንኻልኦት ኣህዛብ ከይገዝኡ ድማ ሒደት ክገብሮም እየ።+ 16 ንቤት እስራኤል ምንጪ እምንቶ ኣይክትከውንን እያ፣+ ነቲ ረድኤት ደልዮም ናብ ግብጻውያን ቍሊሕ ብምባሎም ዝገበርዎ ስሕተት ጥራይ ከተዘክሮም እያ። ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”’” 17 ኣብ መበል 27 ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 18 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቡካድነጻር*+ ንጉስ ባቢሎን ንሰራዊቱ ኣንጻር ጢሮስ ብዙሕ ኣጽዒርዎም እዩ።+ ኵሉ ርእሲ ነዂዑ፡ ኵሉ መንኵብ እውን ተመሊጡ እዩ። ንሱን ሰራዊቱን ግና ነቲ ኣብ ጢሮስ ዝጸዓርዎ ጻዕሪ ዓስቢ ኣይረኸቡሉን። 19 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ምድሪ ግብጺ ንነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እህቦ ኣለኹ፣+ ንሱ ድማ ሃብታ ኺወስድ፡ ካብኣ እውን ብዙሕ ኪማርኽን ኪዘምትን እዩ፣ ንሰራዊቱ ኸኣ ዓስቢ ኽትከውን እያ።’ 20 “‘ምእንታይ ስለ ዝገበርዎ፡ ጻማ እቲ ኣንጻራ* ዝጸዓሮ ጻዕሪ፡ ምድሪ ግብጺ ኽህቦ እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 21 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል* እየ፣+ ኣብ መንጎኦም ክትዛረብ እውን ኣጋጣሚ ክኸፍተልካ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።” 28 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንመራሒ ጢሮስ ከምዚ በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ልብኻ ስለ እተዓበየ፡+ ‘ኣነ ኣምላኽ እየ። ኣብ ዝፋን ኣምላኽ፡ ኣብ ልቢ ባሕሪ ተቐሚጠ ኣለኹ’+ ትብል ኣለኻ። ግናኸ፡ ብልብኻ ኣምላኽ ዝዀንካ እኳ እንተ መሰለካ፡ሰብ ጥራይ ኢኻ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰንካን። 3 እንሆ፡ ንስኻስ ያኢ ኻብ ዳንኤል ትጠብብ ኢኻ።+ ኵሉ ምስጢር እውን ኣይሕብኣካን እዩ። 4 ብጥበብካን ብምስትውዓልካን ንርእስኻ ኣሀብቲምካ ኣለኻ፣ወርቅን ብሩርን ድማ ኣብ መዛግብትኻ ትእክብ ኣለኻ።+ 5 ክኢላ ነጋዲ ብምዃንካ ዓብዪ ሃብቲ ረኺብካ ኣለኻ፣+ልብኻ ኸኣ ብሃብትኻ ተዓብዩ ኣሎ።”’ 6 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብልብኻ ኣምላኽ ዝዀንካ ስለ ዝመሰለካ፡ 7 ጓኖት፡ ኣዝዮም ጨካናት ህዝቢ ኣንጻርካ ኸምጽእ እየ፣+ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ጽባቐ ጥበብካ ኣስያፎም ኪመልሑ፡ነቲ ዓብዪ ግርማኻ እውን ኬርክስዎ እዮም።+ 8 ናብ ጕድጓድ* ኬውርዱኻ እዮም፣ኣብ ልቢ ባሕሪ ተቐቲልካ ኽትመውት ኢኻ።+ 9 እሞኸ ነቲ ዚቐትለካ፡ ‘ኣነ ኣምላኽ እየ’ ኽትብሎ ዲኻ፧ ኣብ ኢድ እቶም ዜርክሱኻ፡ ሰብ ጥራይ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይክትከውንን ኢኻ።”’ 10 ‘ብኢድ ጓኖት ኣማውታ ዘይግዙራት ክትመውት ኢኻ፣ኣነስ ተዛሪበ ኣለኹ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 12 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንንጉስ ጢሮስ ኣልቅሰሉ፡ ከምዚ እውን በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻ ኣርኣያ ፍጽምና፡*ጥበብ ዝመልኣካን+ ፍጹም ዝጽባቐኻን ነበርካ።+ 13 ኣብ ኤደን፡ ኣብ ገነት* ኣምላኽ ነበርካ። ብዅሉ ኽቡር እምኒ፡—ሮቢኖስ፡ ቶጳዝዮን፡ ያስጲስ፡ ክሪሶሊት፡ ኦኒክስ፡ ያሸፈ፡ ሰፊሮስ፡ ቱርቆይዝ፡+ ስመራግዶስ፡— ተሰሊምካ ነበርካ። መቓናቱን መትሓዚኡን ከኣ ብወርቂ እተገብረ ነበረ። በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳልዩ ነበረ። 14 ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ክትከውን መደብኩኻ። ኣብ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ነበርካ፣+ ኣብ መንጎ ኣእማን ሓዊ ድማ ተመላለስካ። 15 ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ኣትሒዝካ፡ክሳዕ እታ ኣባኻ ዓመጻ እተረኽበካ ግዜ፡ ብመገድታትካ ኣበር ዘይብሉ ነበርካ።+ 16 ብሰንኪ ብዝሒ ንግድኻ፡+ብዓመጻ መላእካ፡ ክትሓጥእ እውን ጀመርካ።+ ስለዚ፡ ካብ ከረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ክድርብየካን ከጥፍኣካን እየ፣+ኣታ ዜጽልል ኪሩብ፡ ካብቲ ኣእማን ሓዊ ኸርሕቐካ እየ። 17 ልብኻ ብሰንኪ ጽባቐኻ ተዓበየ።+ ብሰንኪ ዓብዪ ግርማኻ፡ ጥበብካ ኣበላሾኻ።+ ናብ ምድሪ ኽድርብየካ እየ።+ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ከኣ ምርኢት ክገብረካ እየ። 18 ብዓብዪ በደልካን ብናይ ሸፈጥ ንግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ካብ ማእከልካ ሓዊ ኸውጽእ እየ፣ ንሱ ድማ ኪበልዓካ እዩ።+ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ዚርእዩኻ፡ ኣብ ምድሪ ሓምዅሽቲ ኽገብረካ እየ። 19 ኵሎም እቶም ኣብ መንጎ ህዝብታት ዚፈልጡኻ፡ ተገሪሞም ኪጥምቱኻ እዮም።+ መወዳእታኻ ሃንደበታውን ዜሰክሕን ኪኸውን እዩ፣ንሓዋሩ ድማ ኣይክትህሉን ኢኻ።”’”+ 20 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 21 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ሲዶን+ ኣቢልካ ምለስ እሞ ኣንጻራ ተነበ። 22 ከምዚ ኸኣ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቲ ሲዶን፡ እንሆ፡ ኣንጻርኪ እየ፣ ኣብ ማእከልኪ እውን ክኸብር እየ። ኣብኣ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩን ኣብኣ ምስ ተቐደስኩን ድማ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 23 ለበዳ ኽሰድደላ እየ፣ ኣብ ጐደናታታ ኸኣ ደም ኪውሕዝ እዩ። ሰይፊ ኻብ ኵሉ ሸነኽ ምስ መጻ፡ ቅቱላት ኣብ ማእከላ ኺወድቁ እዮም፣ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።+ 24 “‘“ሽዑ፡ ቤት እስራኤል ደጊም ብዳንዴርን ብዜሳቒ እሾዅን፡+ በቶም ዚንዕቕዎም፡ ኣይኪኽበቡን እዮም፣ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”’ 25 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንቤት እስራኤል ካብ መንጎ እቶም ፋሕ ዝበሉሎም ህዝብታት መሊሰ ምስ ኣከብክዎም፡+ ኣብ ኣዒንቲ ኣህዛብ ክቕደስ እየ።+ ንሳቶም ድማ ኣብታ ንጊልያይ ያእቆብ ዝሃብክዋ ምድሮም+ ኪቕመጡ እዮም።+ 26 ብደሓን ኣብኣ ኪቕመጡን+ ኣባይቲ ኺሃንጹን ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን እዮም፣+ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ኰይኖም ዚንዕቕዎም ዘለዉ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ብደሓን ኪቕመጡ እዮም፣+ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”’” 38 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ፡+ ርእሲ ሹም* ሜሴክን ቱባልን+ ምለስ እሞ ኣንጻሩ ተነበ።+ 3 ከምዚ ኸኣ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ጎግ፡ ርእሲ ሹም* ሜሴክን ቱባልን፡ እንሆ ኣነ ኣንጻርካ እየ። 4 ክመልሰካ፡ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦታት ከእቱ፡+ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ፡ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፡ ከውጽኣካ እየ፣+ ኵላቶም ድማ ግርማ ዝለበሱ፡ ዓበይቲ ዋላቱን ንኣሽቱ ዋላቱን* ዝሓዙ ብዙሕ ኣኼባ እዮም። 5 ፋርስን ኢትዮጵያን ጱጥን+ ከኣ፡ ኵላቶም ንእሽቶ ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ምሳታቶም ኣለዉ። 6 ጎሜርን ኵሎም ተዋጋእቱን፡ ቤት ቶጋርማ+ ኻብ ግሉል ክፋላት ሰሜንን ኵሎም ተዋጋእቱን፡—ብዙሓት ህዝብታት ምሳኻ እዮም።+ 7 “‘“ንስኻ ምስ ኵሉ እቲ ናባኻ እተኣከበ ሰራዊትካ ድሉው ኩን፡ ተዳሎ፣ ንስኻ እውን ኣዛዚኦም* ክትከውን ኢኻ። 8 “‘“ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ቈላሕታ ኺግበረልካ እዩ።* ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ነታ ህዝባ ኻብ ጥፍኣት ሰይፊ እተመልስዋ፡ ነታ ኻብ ብዙሕ ህዝብታት ናብቲ ባዲሙ ዝነበረ ኣኽራን እስራኤል እተኣከቡላ ምድሪ ኽትወርር ኢኻ። ነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ህዝብታት እዮም ተመሊሶም፣ ኵላቶም ከኣ ብደሓን እዮም ዚነብሩ።+ 9 ከም ህቦብላ ኣንጻሮም ክትመጽእ፡ ንስኻ ምስ ኵሎም ተዋጋእትኻን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ድማ ነታ ምድሪ ኸም ደበናታት ክትከድና ኢኻ።”’ 10 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓሳባት ናብ ልብኻ ኺኣቱ እዩ፣ እኩይ ውጥን ድማ ክትምህዝ ኢኻ። 11 “ነታ ምድሪ እተን መከላኸሊ ዘይብለን ሰፈራት* ክወርራ እየ።+ ኣንጻር እቶም ብደሓን ከይተረበሹ ዚነብሩ፡ ኣንጻር ኵሎም እቶም ኣብተን መካበብያን ተገዳማትን መዓጹን ዘይብለን ሰፈራት ዚነብሩ ኽመጽእ እየ” ኽትብል ኢኻ። 12 ብዙሕ ምርኮን ዘመተን ንምውሳድ፡ ነቲ ሕጂ ነባሪ ዘለዎ ባድምን+ ነቲ ኻብ ኣህዛብ እተኣከበ+ ሃብትን ንብረትን ዜዋህልል ዘሎ+ ኣብ ማእከል ምድሪ ዚነብር ህዝብን ንምጥቃዕ ከምኡ ኽትገብር ኢኻ። 13 “‘ሳባን+ ዴዳንን+ ነጋዶ ተርሲስን+ ኵሎም ጀጋኑኣን፡* “ብዙሕ ምርኮ ኽትማርኽን ዘመተ ኽትዘምትን ዲኻ ወሪርካ፧ ብሩርን ወርቅን ክትዝርፍ፡ ሃብትን ንብረትን ክትወስድ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ምርኮ ኽትረክብ ዲኻ ንሰራዊትካ ኣኪብካዮ፧” ኪብሉኻ እዮም።’ 14 “ስለዚ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ ንጎግ እውን ከምዚ በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ህዝበይ እስራኤል ብደሓን ኪቕመጥ ከሎ፡ ኣይክትፈልጦን ዲኻ፧+ 15 ንስኻ ምሳኻ እውን ብዙሓት ህዝብታት፡ ኵሎም ኣፍራስ ዚውጥሑ ዓብዪ ኣኼባን ብዙሕ ሰራዊትን፡ ካብ ቦታኻ፡ ካብ ግሉል ክፋላት ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ።+ 16 ከምቲ ደበናታት ነታ ምድሪ ዚኸድና ዄንካ፡ ኣንጻር ህዝበይ እስራኤል ክትመጽእ ኢኻ። ኣታ ጎግ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ኣነ ብኣኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ገዛእ ርእሰይ ምስ ቀደስኩ፡+ ኣህዛብ ምእንቲ ኺፈልጡንስ፡ ኣንጻር ምድረይ ከምጽኣካ እየ።”’+ 17 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቲ ቐደም ኣንጻሮም ከም እትመጽእ በቶም ንብዙሕ ዓመታት እተነበዩ ገላዎይ ነብያት እስራኤል እተዛረብኩሉስ ንስኻ ደይኰንካን፧’ 18 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በታ ጎግ ንምድሪ እስራኤል ዚወርረላ መዓልቲ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ዓብዪ ነድረይ ኪባራዕ እዩ።+ 19 ብቕንኣተይ፡ ብሓዊ ነድረይ፡ ክዛረብ እየ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ። 20 ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳታት መሮርን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉ ለመምትን ኵሎም ኣብ ገጽ ምድሪ ዘለዉ ሰባትን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣ ኣኽራን ኪድርመስ፡+ ኣጻድፍ ድማ ኪወድቕ፡ ኵሉ መንደቕ እውን ናብ ምድሪ ኺፈርስ እዩ።’ 21 “‘ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዕ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ኪኸውን እዩ።+ 22 ብለበዳን+ ብምፍሳስ ደምን ፍርደይ ከምጽኣሉ እየ፣* ዜዕለቕልቕ ዝናምን በረድን+ ሓውን+ ዲንን+ ኣብኡን ኣብ ተዋጋእቱን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከዝንም እየ።+ 23 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ብዙሓት ኣህዛብ ድማ ብርግጽ ክዓብን ክቕደስን ክፍለጥን እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’ 8 ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፡ ኣብ ሻድሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ ኸለኹ፡ ዓበይቲ ይሁዳ እውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ኢድ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብኡ ሓዘትኒ። 2 ምስ ጠመትኩ፡ ትርኢት ሓዊ ዚመስል ምስሊ ረኣኹ፣ ካብቲ ማዕጥቖኡ ዚመስል ንታሕቲ ሓዊ ነበረ፣+ ካብ ማዕጥቖኡ ንላዕሊ ኸኣ ትርኢቱ ብሩህ ከም ምንጽብራቕ ሕዋስ ወርቅን ብሩርን ነበረ።+ 3 ንሱ ድማ ኢድ እትመስል ዘርግሐ እሞ፡ ብዕታሮ ጸጕሪ ርእሰይ ሒዙ ወሰደኒ፣ መንፈስ ከኣ ናብ መንጎ ምድርን ሰማያትን ኣልዓለኒ፣ ብራእያት ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ናብ መእተዊ እቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ ውሽጣዊ ኣፍ ደገ፡+ ናብቲ ቕንኢ ዜለዓዕል ምስ ኣምልኾ ጣኦት እተተሓሓዘ ምልክት* ቅንኢ ኣምጽኣኒ።+ 4 እንሆ ኸኣ፡ ከም ትርኢት እቲ ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ ዝረኣኽዎ+ ዝበለ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ነበረ።+ 5 ሽዑ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ በጃኻ ናብ ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል” በለኒ። ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ምስ ኣልዓልኩ፡ ኣብኡ ብሰሜን እቲ ኣፍ ደገ መሰውኢ፡ እዚ ምልክት* ቅንኢ ኣብቲ መእተዊ ነበረ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ኣብዚ ኸመይ ዝበለ ኽፉእን ፍንፉንን+ ካብ መቕደሰይ ዜርሕቐንን+ ነገራት ይገብሩ ኸም ዘለዉዶ ርኢኻ፧ ገና ኻብዚ ዚኸፍእ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ። 7 ናብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ከኣ ኣምጽኣኒ፣ ምስ ጠመትኩ ድማ፡ ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ረኣኹ። 8 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ” በለኒ። ስለዚ፡ ነቲ መንደቕ ኰዓትክዎ፣ መእተዊ ድማ ረኣኹ። 9 ንሱ ኸኣ፡ “እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ እከይን ፍንፉን ነገራትን ርአ” በለኒ። 10 ኣትየ ድማ ጠመትኩ፣ ኵሉ ዓይነት ምስልታት ለመምትን ፍንፉናት እንስሳታትን+ ኵሎም ጽዩፋት ጣኦታት* ቤት እስራኤልን ከኣ ረኣኹ፣+ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ድማ ተቐሪጾም ነበሩ። 11 ኣብ ቅድሚኦም ከኣ 70 ኻብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል ቈይሞም ነበሩ፣ ያዛንያ ወዲ ሻፋን+ ድማ ኣብ መንጎኦም ቈይሙ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ጽንሃህ ሒዙ ነበረ፣ እቲ ጥዑም ዝጨናኡ ደበና ዕጣን እውን ይዓርግ ነበረ።+ 12 ንሱ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል ኣብ ጸልማት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብተን ጣኦታቱ ዜንብረለን ውሽጣዊ ኽፍልታት፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ዘለዉ ትርኢዶ ኣለኻ፧ ንሳቶምሲ፡ ‘የሆዋ ኣይርእየናን እዩ። የሆዋ ነዛ ምድሪ ሓዲግዋ እዩ’ ይብሉ ኣለዉ።”+ 13 ንሱ ኸኣ ኣስዒቡ፡ “ካብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዚገድድ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ። 14 ናብ መእተዊ እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ኣምጽኣኒ፣ ኣብኡ ድማ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ኣምላኽ ኪበኽያሉ ረኣኹ። 15 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዝስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ካብዚ ዚገድድ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።+ 16 ስለዚ፡ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ቤት የሆዋ ኣምጽኣኒ።+ ኣብኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን፡ ኣስታት 25 ሰብኡት ዝባኖም ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ገይሮም ነበሩ፣ ናብታ ብምብራቕ ዘላ ጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።+ 17 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዝስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ቤት ይሁዳ እዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ኺገብሩ፡ ነዛ ምድሪ ብዓመጻ ኺመልእዋን+ ንዓይ መመሊሶም ኬዀርዩንንሲ ቀሊል ነገር ድዩ፧ ኣብዚ ድማ ጨንፈር* ናብ ኣፍንጫይ ይዝርግሑ ኣለዉ። 18 ስለዚ፡ ብነድሪ ስጕምቲ ኽወስድ እየ። ዓይነይ ኣይክትድንግጽን እያ፣ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ኣብ ኣእዛነይ ዓው ኢሎም እኳ እንተ ጨርሑ፡ ኣይክሰምዖምን እየ” በለኒ።+ 11 መንፈስ ከኣ ኣልዓለኒ እሞ ናብ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ኣፍ ደገ ኣምጽኣኒ።+ ኣብኡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ 25 ሰብኡት ረኣኹ፣ ኣብ መንጎኦም ድማ ያዛንያ ወዲ ዓዙርን ጰላጥያ ወዲ በናያን፡ እቶም መሳፍንቲ ህዝቢ፡ ነበሩ።+ 2 ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ኣብዛ* ኸተማ እዚኣ ኽፉእ ዚሓስቡን እከይ ዚመኽሩን ሰብኡት እዚኣቶም እዮም። 3 ‘ኣባይቲ ዚህነጸሉ ግዜ ደይኰነን፧+ እዛ ኸተማ* ቝራዕ እያ፣+ ንሕና ድማ ስጋ ኢና’ ይብሉ ኣለዉ። 4 “ስለዚ፡ ኣንጻሮም ተነበ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ።”+ 5 ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕለይ መጸ፣+ ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ከምዚ በል፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ዝበልኩምዎ ቕኑዕ እዩ፣ እንታይ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም* እውን እፈልጥ እየ። 6 ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ከም ዚሞቱ ጌርኩም ኢኹም፣ ንጐደናታታ ኸኣ ብምዉታት መሊእኩም ኢኹም።”’”+ 7 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቶም ኣብታ ኸተማ ዛሕ ዘበልኩምዎም ሬሳታት፡ ንሳቶም ስጋ እዮም፣ እታ ኸተማ ድማ ቍራዕ እያ።+ ንስኻትኩም ግና ካብኣ ኽትወጹ ኢኹም።’” 8 “‘ሰይፊ ፈሪህኩም ኢኹም፣+ ሰይፊ ኸኣ ከምጽኣልኩም እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 9 ‘ካብኣ ኸውጽኣኩም፡ ኣብ ኢድ ጓኖት ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም፡ ፍርዲ እውን ኣባኻትኩም ክፍጽም እየ።+ 10 ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም።+ ኣብ ዶብ እስራኤል ክፈርደኩም እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 11 እዛ ኸተማ ቝራዕ ኣይክትኰነልኩምን እያ፣ ኣብ ውሽጣ ድማ ስጋ ኣይክትኰኑን ኢኹም፣ ኣብ ዶብ እስራኤል ክፈርደኩም እየ፣ 12 ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ከም ፍርድታት እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ደኣ ኢኹም ጌርኩም እምበር፡+ ብስርዓታተይ ኣይተመላለስኩምን፡ ፍርድታተይ እውን ኣይፈጸምኩምን።’”+ 13 ምስ ተነበኹ ኸኣ፡ ብኡብኡ ጰላጥያ ወዲ በናያ ሞተ፣ ኣነ ድማ ብገጸይ ወደቕኩ እሞ ዓው ኢለ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ኸተጽንቶም ኢኻ፧” ኢለ ጨራሕኩ።+ 14 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 15 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣሕዋትካ፡ እቶም መሰል ምብጃው ዘለዎም ኣሕዋትካ ምስ ብዘላ ቤት እስራኤል፡ ‘ካብ የሆዋ ርሓቑ። እዛ ምድሪ ናትና እያ፣ ርስቲ ጌርካ ተዋሂባትና እያ’ ተባሂሉ ብነበርቲ የሩሳሌም ተነጊርዎም ኣሎ። 16 ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ናብ መንጎ ኣህዛብ እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፡ ኣብ መንጎ ሃገራት እውን ፋሕ እኳ እንተ ኣበልክዎም፡+ ንቝሩብ ግዜ ኣብተን ዝኸድወን ሃገራት መቕደስ ክዀኖም እየ።”’+ 17 “ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ህዝብታት ድማ ክእክበኩም፡ ካብተን ፋሕ ዝበልኩምለን ሃገራት እውን ክእክበኩም እየ፣ ምድሪ እስራኤል ከኣ ክህበኩም እየ።+ 18 ናብኣ ተመሊሶም ድማ ኵሉ ጽዩፍ ነገራትን ፍንፉን ተግባራትን ካብኣ ኼርሕቑ እዮም።+ 19 ሓደ ልቢ ኽህቦም፡+ ሓድሽ መንፈስ እውን ኣብ ውሽጦም ከንብር እየ፣+ ካብ ሰብነቶም ልቢ እምኒ ኸርሕቕ፡+ ልቢ ስጋ* ኸኣ ክህቦም እየ።+ 20 ብሕግታተይ ምእንቲ ኺመላለሱን ፍርድታተይ ምእንቲ ኺሕልዉን ምእንቲ ኺእዘዝዎንሲ፡ ከምኡ ኽገብር እየ። ሽዑ፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ፡ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።”’ 21 “‘“እቶም ብጽዩፍ ነገራትን ብፍንፉን ተግባራትን ኪመላለሱ ልቦም ዝቘረጸ ግና፡ ሳዕቤናት መገዶም ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’” 22 ሽዑ፡ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዓሉ፣ እቲ መንኰራዅር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ነበረ፣+ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።+ 23 ሽዑ፡ ክብሪ የሆዋ+ ኻብታ ኸተማ ዓሪጉ ኣብ ልዕሊ እቲ ብምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ ኸረን ቈመ።+ 24 መንፈስ ከኣ፡—ብመንፈስ ኣምላኽ ብራእይ፡—ኣልዓለኒ እሞ ናብቶም ኣብ ከለዳ ዘለዉ ምሩኻት ኣምጽኣኒ። እቲ ዝረኣኽዎ ራእይ ድማ ሓደገኒ። 25 ነቶም ምሩኻት ከኣ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዘርኣየኒ ነገርክዎም። 2 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡* ክዛረበካስ ብኣእጋርካ ደው በል” በለኒ።+ 2 ምስ ተዛረበኒ ድማ፡ መንፈስ መጸኒ፣ ነቲ ዚዛረበኒ ምእንቲ ኽሰምዖ እውን ብኣእጋረይ ደው ኣበለኒ።+ 3 ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ህዝቢ እስራኤል፡ ናብቶም ካባይ ዝዓለዉ ዓለውቲ ኣህዛብ+ እልእከካ ኣለኹ።+ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ኣቢሶም እዮም።+ 4 ናብ ተዳፈርትን* ተሪር ዝልቦምን ደቂ እልእከካ ኣለኹ፣+ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል’ ድማ በሎም። 5 ንሳቶም ከኣ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡+ እንተ ሰሚዖም ወይስ ምስማዕ እንተ ኣብዮም፡ ነብዪ ኣብ መንጎኦም ከም ዝነበረ ብርግጽ ኪፈልጡ እዮም።+ 6 “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዳንዴርን ብእሾዅን እተኸበብካን*+ ኣብ መንጎ ዕንቅርቢታት እትቕመጥን እኳ እንተ ዀንካ፡ ንዓታቶም ኣይትፍርሃዮም፣+ ንቓላቶም እውን ኣይትፍርሃዮ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡+ ብገጾም እውን ኣይትሸበር።+ 7 ዓለውቲ እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖም ወይ እንተ ኣብዮም፡ ቃላተይ ንገሮም።+ 8 “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ። ከምዛ ዓላዊት ቤት፡ ዓላዊ ኣይትኹን። ኣፍካ ኽፈት እሞ ነዚ ዝህበካ ዘለኹ ብልዓዮ።”+ 9 ምስ ጠመትኩ፡ ኢድ ናባይ ተዘርጊሓ ረኣኹ፣+ ኣብኣ ድማ ጥቕልልቲ ጽሕፍቲ* ረኣኹ።+ 10 ኣብ ቅድመይ ምስ ዘርግሓ ኸኣ፡ ብቕድሚኣን ብድሕሪኣን ጽሑፍ ነበራ።+ ልቕሶን ሓዘንን ዋይዋይታን ተጻሒፍዋ ነበረ።+ 26 ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጢሮስ ብዛዕባ የሩሳሌም፡+ ‘ኣሰይ! እታ ኣፍ ደገ ህዝብታት ተሰይራ!+ ኵሉ ብመገደይ ኪመጽእ፡ ንሳ ስለ ዝባደመት ከኣ ኣነ ኽህብትም እየ’ ኢላ ኣላ፣ 3 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣቲ ጢሮስ፡ እንሆ ኣንጻርኪ እየ፣ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበላቱ ዜምጽኦ፡ ኣነ እውን ብዙሓት ኣህዛብ ኣንጻርኪ ኸምጽእ እየ። 4 ንሳቶም ድማ ንመካበብያ ጢሮስ ከዕንውዎ፡ ንግምብታታ ኸኣ ኬፍርስዎ እዮም፣+ ሓመድ ድማ ካብኣ ኽጸርግ፡ እተንጸባርቕ መላጥ ከውሒ እውን ክገብራ እየ። 5 ኣብ ማእከል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ።’+ “‘ኣነስ ተዛሪበ ኣለኹ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንኣህዛብ ከኣ ዘመተ ኽትከውን እያ። 6 ኣብ ገጠር ዚርከባ ሰፈራታ* ድማ ብሰይፊ ኺሕረዳ እየን፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’ 7 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እቲ ንጉሰ ነገስት፡+ ምስ ኣፍራስን+ ምስ ሰረገላታትን+ ምስ ፈረሰኛታትን ብዙሓት ተዋጋእቲ* ምስ ዝሓዘ ሰራዊትን ካብ ሰሜን ኣንጻር ጢሮስ ከምጽኦ እየ።+ 8 ንሱ ኸኣ ኣብ ገጠር ንዚርከባ ሰፈራትኪ ብሰይፊ ኼጥፍአን እዩ፣ መንደቕ ከበባ ድማ ኪሃንጸልኪ፡ ዕርዲ ኸበባ ኸኣ ኪዅምረልኪ፡ ዓብዪ ዋልታ እውን ኬልዕለልኪ እዩ። 9 ንመካበብያኺ ብመፍረሲ መካበብያ* ገይሩ ኺዘብጦ፡ ብፋሳቱ* ድማ ንግምብታትኪ ኼፍርሶ እዩ። 10 ኣፍራሱ ኻብ ምብዛሖም እተላዕለ፡ ብደሮና ኪኸድኑኺ እዮም፣ ንሱ ብኣፍ ደገታትኪ ኸምቲ ብፍሩስ መካበብያ ተሃንዲዶም ዚኣትዉ ዀይኑ ኺኣቱ ኸሎ ኸኣ፡ ደሃይ ፈረሰኛታቱን መንኰራዅሩን ሰረገላታቱን ንመካበብያኺ ኼናውጾ እዩ። 11 ሸዀናታት ኣፍራሱ ንዅሉ ጐደናታትኪ ኺረግጾ እዩ፣+ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኪቐትሎም እዩ፣ እቲ ዓበይቲ ሓወልትታትኪ ድማ ናብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ። 12 ጥሪትኪ ኺዝርፉ፡ ሸቐጥኪ ኺዘምቱ፡+ መካበብያኺ ኼፍርሱ፡ ጽቡቓት ኣባይትኺ ኼዕንዉ እዮም፣ ኣእማንክን ኣዕጫውክን ሓመድክን ናብ ማይ ኪድርብዩ እዮም።’ 13 “‘ንደሃይ ደርፍታትኪ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ደሃይ መሰንቆታትኪ* እውን ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።+ 14 እተንጸባርቕ መላጥ ከውሒ ኽገብረኪ፡ መስጥሒ መርበብ ድማ ክትኰኒ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፡ ከቶ ዳግም ኣይክትስርሕን ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 15 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቶም ዚሞቱ* ኺግዕሩ ኸለዉ፡ ኣብ ማእከልኪ ድማ ማሕረዲ ኪኸውን ከሎስ፡ ብደሃይ ውድቀትኪ ደሴታትዶ ኣይኬንቀጥቅጣን እየን፧+ 16 ኵሎም መሳፍንቲ* ባሕሪ ኻብ ዝፋናቶም ኪወርዱ፡ ወለል ዚብል ክዳውንቶም* ከኣ ኬውጽኡ፡ ጥሉፍ ክዳውንቶም ድማ ኪቕንጥጡ፡ ራዕራዕ እውን ኪብሉ እዮም። ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ፡ ከየቋረጹ ራዕራዕ ኪብሉ፡ ተገሪሞም እውን ኪጥምቱኺ እዮም።+ 17 ከምዚ ኢሎም ድማ ኬልቅሱልኪ እዮም፦+ “ኣቲ ኻብ ባሕርታት ነበርቲ ዝነበሩኺ፡ ኣቲ ውድስቲ ኸተማ፡ ከመይ ኰን ኢኺ ዝጠፋእኪ፣+ንስኽን ነበርትኽን* ኣብ ባሕሪ ሓያላት ኢኹም ኔርኩም፣+ንዅሎም ነበርቲ ምድሪ እውን ተርዕዱ ኔርኩም! 18 ደሴታት ብውድቀትኪ ራዕራዕ ኪብላ እየን፣ደሴታት ባሕሪ እውን ብጥፍኣትኪ ኺርበሻ እየን።”’+ 19 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምተን ነበርቲ ዘይብለን ከተማታት ገይረ ምስ ኣባደምኩኺ፡ ብቡሕቡሕታ ማያት ምስ ወሓጥኩኺ፡ ብብርቱዕ ማያት እውን ምስ ከደንኩኺ፡+ 20 ንዓኺ ምስቶም ምሳኺ ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ህዝቢ፡ ናብ ናይ ቀደም ህዝቢ ኸምጽኣኪ እየ፣ ነባሪ ምእንቲ ኸይህልወክስ፡ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ፡+ ከምቲ ጥንቲ ዘባደምክዎ ቦታታት ገይረ ኣብ ዝተሓተ ቦታ ኬቐምጠኪ እየ። ሽዑ፡ ንምድሪ ህያዋን ከኽብራ* እየ። 21 “‘ሃንደበታዊ ሽበራ ኸምጽኣልኪ እየ፣ ደጊም እውን ኣይክትህልውን ኢኺ።+ ኪደልዩኺ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይክትርከብን ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 44 ብመገዲ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣፍ ደገ ኣቢሉ መለሰኒ፣+ ንሱ ድማ ዕጹው ነበረ።+ 2 ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “እዚ ኣፍ ደገ እዚ ዕጹው ኰይኑ ኺነብር እዩ። ኣይኪኽፈትን እዩ፣ ብእኡ እውን ሰብ ኣይኪኣቱን እዩ። የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብእኡ ኣትዩ እዩ እሞ፡+ ዕጹው ኰይኑ ኺነብር እዩ። 3 ግናኸ፡ እቲ ሹም፡ ሹም እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እንጌራ ኺበልዕሲ፡+ ኣብኡ ኪቕመጥ እዩ። ብገበላ እቲ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ኺኣቱ፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ኪወጽእ እዩ።”+ 4 ሽዑ፡ በቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ናብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ ኣምጽኣኒ። ምስ ጠመትኩ፡ ክብሪ የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ የሆዋ መሊእዋ ረኣኹ።+ ስለዚ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።+ 5 ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ስርዓታትን ሕግታትን እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝነግረካ ኣቕልበሉ፡* ተመልከቶ፡ ተጠንቂቕካ እውን ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤተ መቕደስን ንዅሉ መውጽኢታት እታ መቕደስን ኣቕልበሉ።+ 6 ነቶም ዓለውቲ ቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም ይእከልኩም። 7 ልቦምን ስጋኦምን ዘይግዙር ጓኖት ናብ መቕደሰይ ከተእትዉ ኸለኹም፡ ንሳቶም ንቤተ መቕደሰይ የርክስዋ እዮም። ኪዳነይ ብሰሪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም እናተጣሕሰ ኽነሱ፡ እንጌራይ፡ ስብሕን ደምን ተቕርቡ ኣለኹም። 8 ንዕዮ እቲ ቕዱስ ነገራተይ ኣይዓየኹምን።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣብ መቕደሰይ ዚግበር ዕዮታት ኪዓይዩ፡ ካልኦት መዲብኩም ኢኹም።”’ 9 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ልቡን ስጋኡን ዘይግዙር ኣብ እስራኤል ዚነብር ጓና ናብ መቕደሰይ ኣይኣቱን እዩ።”’ 10 “‘እቶም እስራኤል ካባይ ርሒቑ ኪዅብልል ከሎ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም* ኪስዕቡ ኻባይ ዝዀብለሉ ሌዋውያን ግና፡+ ሳዕቤናት ስሕተቶም ኪጾሩ እዮም። 11 ኣብ መቕደሰይ ከኣ ንኣፍ ደገታት እታ ቤተ መቕደስ ዚሕልዉን*+ ኣብ ቤተ መቕደሰይ ዜገልግሉን ኣገልገልቲ ኪዀኑ እዮም። ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን ንህዝቢ ዚኸውን መስዋእትን ኪሓርዱ፡ ኬገልግልዎም ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኪቘሙ እዮም። 12 ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ስለ ዘገልገልዎምን ንቤት እስራኤል ዜሕጥኡ መዐንቀፊ ስለ ዝዀኑን፡+ ስለዚ እየ ኢደይ ኣንጻሮም ብማሕላ ዘልዓልኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንሳቶም እውን ሳዕቤናት ስሕተቶም ኪጾሩ እዮም። 13 ካህናተይ ኰይኖም ኬገልግሉ ኣይኪቐርቡንን፡ ወይ ናብ ኵሉ ቕዱሰይን ናብ ቅዱስ ቅዱሳንን ኣይኪቐርቡን እዮም፣ ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት ድማ ሕፍረቶም ኪጾሩ እዮም። 14 ግናኸ፡ ኣገልግሎት እታ ቤተ መቕደስን ኵሉ እቲ ኣብኣ ዚግበርን ኪዓይዩ ሓላፍነት ዚስከሙ ኽገብሮም እየ።+ 15 “‘እቶም እስራኤላውያን ካባይ ኪዅብልሉ ኸለዉ ኣብ መቕደሰይ ዝነበሮም ሓላፍነት እተሰከሙ+ ሌዋውያን ካህናት ደቂ ጻዶቅ+ ግና፡ ኬገልግሉኒ ኢሎም ኪቐርቡኒ፡ ስብሕን+ ደምን+ ኬቕርቡለይ ኢሎም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኪቘሙ እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 16 ‘ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ኪኣትዉ፡ ኬገልግሉኒ ኢሎም ናብ መኣደይ ኪቐርቡ፡+ ንዓይ ዘለዎም ሓላፍነት ድማ ኪስከሙ እዮም።+ 17 “‘ናብ ኣፍ ደገታት እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣተዉ፡ ክዳውንቲ በፍታ ይከደኑ።+ ኣብ ኣፍ ደገታት እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ወይ ኣብ ውሽጡ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ጸምሪ ኣይከደኑ። 18 መጠምጠምያ በፍታ ኣብ ርእሶም ይግበሩ፣ ሓጺር ስረ በፍታ ድማ ንምሕኵልቶም ይሸፍኖ።+ ዜርህጾም ነገር ኣይከደኑ። 19 ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ፡—ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ፡—ቅድሚ ምውጻኦም፡ ነቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ኽዳውንቲ ኣውጺኦም+ ኣብቲ ቕዱስ መመገቢ ኽፍልታት* የንብርዎ።+ ብኽዳውንቶም ነቲ ህዝቢ ቕድስና ምእንቲ ኸየመሓላልፉሉ* ኸኣ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ። 20 ርእሶም ኣይላጽዩ+ ወይ ጸጕሪ ርእሶም ኣየንውሑ። የግዳስ፡ ጸጕሪ ርእሶም ይቐምቅሙ። 21 እቶም ካህናት ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣተዉ፡ ወይኒ ኣይስተዩ።+ 22 ንመበለት ወይ ንፍትሕቲ፡ ሰበይቲ ገይሮም ኣየእትዉ፣+ ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝዀነት ድንግል ወይ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ግና ኪምርዓዉ ይኽእሉ እዮም።’+ 23 “‘ንህዝበይ፡ ኣብ መንጎ ቕዱስን ተራን ዘሎ ፍልልይ ይምሃርዎ፣ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ፍልልይ እውን ኪምህርዎ እዮም።+ 24 ኣብ ጕዳይ ድማ ፈራዶ ይኹኑ፣+ ምስ ፍርድታተይ ተሰማሚዖም ከኣ ይፍረዱ።+ ብዛዕባ ዅሉ በዓላተይ ሕግታተይን ስርዓታተይን ይሓልዉ፡+ ሰናብተይ እውን ይቐድሱ። 25 ከይረኽሱስ፡ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ። ብኣቦኦም፡ ወይ ብኣዲኦም፡ ወይ ብወዶም፡ ወይ ብጓሎም፡ ወይ ብሓዎም፡ ወይ ብዘይተመርዓወት ሓብቶም ግና ኪረኽሱ ይኽእሉ እዮም።+ 26 ካህን ድሕሪ ምንጻሁ ኸኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝጸሩሉ። 27 በታ ኣብታ መቕደስ ኬገልግል፡ ናብታ መቕደስ፡ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ፡ ዚኣትወላ መዓልቲ፡ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርብ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 28 “‘ርስቶም ድማ እዚ ኪኸውን እዩ፦ ኣነ ርስቶም እየ።+ ኣነ ውርሶም እየ እሞ፡ ውርሲ ኣይትሃብዎም። 29 መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን+ ኪበልዑ፡ ኣብ እስራኤል እተወፈየ ዅሉ ኸኣ ናታቶም ኪኸውን እዩ።+ 30 ሕሩይ ኵሉ በዅሪ ፍረታትኩምን ኵሉ ዓይነት መባእኩምን ናይ ካህናት ኪኸውን እዩ።+ በዅሪ ሓርጭኩም ከኣ ንኻህን ሃብዎ።+ እዚ ንዝተረፉ ቤተ ሰብኩም በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።+ 31 እቶም ካህናት ሕሉቕ ወይ እተሰላልዐ ዘበለ ዑፍ ወይ እንስሳ ኣይብልዑ።’+ 4 “ንስኻ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሕጡብ ውሰድ፣ ኣብ ቅድሜኻ ድማ ኣንብሮ። ኣብኡ እውን ከተማ፡ ማለት የሩሳሌም፡ ቅረጸሉ። 2 ንዓኣ ኽበባ፡+ መንደቕ ከበባ ህነጸላ፡+ ዕርዲ ኸበባ ዀምረላ፡+ ኣንጻራ ሰፈራት ኣስፍረላ፡ ብመፍረስ መካበብያ እውን ክበባ።+ 3 መቕሎ ሓጺን ወሲድካ ድማ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን መንደቕ ሓጺን ጌርካ ኣንብሮ። ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ግበር፣ ክብብቲ ኸኣ ክትከውን እያ፣ ንስኻ እውን ክበባ። እዚ ንቤት እስራኤል ምልክት እዩ።+ 4 “ሽዑ፡ ብጸጋማይ ጐድንኻ በጥ በል፣ ንበደል ቤት እስራኤል ከኣ ኣብ ልዕሌኻ* ኣንብሮ።+ ብቝጽሪ እተን ብጐድንኻ በጥ እትብለለን መዓልትታት፡ በደሎም ክትጸውር ኢኻ። 5 ማዕረ እቲ ዓመታት በደሎም ከኣ 390 መዓልቲ ኽጽዕነካ እየ፣+ ንስኻ እውን በደል ቤት እስራኤል ክትጸውር ኢኻ። 6 ነዚ ድማ ክትፍጽሞ ኢኻ። “ሽዑ፡ ንኻልኣይ ሳዕ ብየማናይ ጐድንኻ በጥ ክትብል ኢኻ፣ በደል ቤት ይሁዳ+ ኸኣ ን40 መዓልቲ ኽትጸውር ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት እየ ሂበካ ዘለኹ። 7 ገጽካ ምስቲ ጥራዩ ዘሎ ቕልጽምካ፡ ናብታ ኽብብቲ የሩሳሌም ከተብል፡+ ኣንጻራ ድማ ክትንበ ኢኻ። 8 “እንሆ፡ እተን መዓልትታት ከበባኻ ኽሳዕ እትፍጽም፡ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብቲ ሓደ ጐድንኻ ምእንቲ ኸይትግልበጥ፡ ብኣግማድ ክኣስረካ እየ። 9 “ንስኻ ኸኣ ስርናይን ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ብልቱግን ዓለስን ውሰድ፣ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ኸኣ ኣንብሮ፣ ንዓኻ እውን እንጌራ ግበሮ። ብቝጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ በጥ እትብለለን መዓልትታት፡ ማለት 390 መዓልቲ፡ ንዕኡ ኽትበልዕ ኢኻ።+ 10 ኣብ መዓልቲ 20 ሲቃል* ምግቢ መዚንካ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣብ መምዱብ ግዜ ኽትበልዖ ኢኻ። 11 “ማይ ድማ ብመስፈሪ፡ ሻድሸይቲ ኣፍ ሂን፡* ክትሰቲ ኢኻ። ኣብ መምዱብ ግዜ ኽትሰትዮ ኢኻ። 12 “ከም ቅጫ ስገም ጌርካ ኸኣ ክትበልዖ ኢኻ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ድማ ብዝነቐጸ ቐልቀል ሰብ ሓዊ ኣጒድካ ኽትስንክቶ ኢኻ።” 13 የሆዋ ኸኣ ኣስዒቡ፡ “እስራኤላውያን ኣብ መንጎ እቶም ኣነ ናብኦም ዝብትኖም ኣህዛብ በዚ ኸምዚ ርኹስ እንጌራኦም ኪበልዑ እዮም” በለ።+ 14 ሽዑ ኣነ፡ “ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ከምኡስ ኣይኹን! ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኽሳዕ ሕጂ፡ ስጋ ሕሉቕ ወይ እተበትበተ ብምብላዕ ኣይረኸስኩን፣*+ ርኹስ* ስጋ እውን ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን” በልኩ።+ 15 ስለዚ፡ “ሕራይ፣ ኣብ ክንዲ ቐልቀል ሰብ፡ ኩቦ ኸብቲ ኽትጥቀም ፈቒደልካ ኣለኹ፣ ብእኡ ጌርካ ድማ እንጌራኻ ኽትስንክት ኢኻ” በለኒ። 16 ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ቀረብ ምግብኻ ኣብ የሩሳሌም አቋርጽ ኣለኹ፣*+ ብብዙሕ ጭንቂ ኸኣ መቝነን እንጌራኦም ብሚዛን መዚኖም ኪበልዑ እዮም፣+ ብራዕዲ ድማ መቝነን ማዮም ብመስፈሪ ሰፊሮም ኪሰትዩ እዮም።+ 17 እንጌራን ማይን ስኢኖም፡ ብስምባድ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺጠማመቱን ብሰሪ ስሕተቶም ምእንቲ ኺምህምኑን፡ እዚ ኪኸውን እዩ። 41 ሽዑ፡ ናብ ናይ ወጻኢ መቕደስ* ኣምጽኣኒ፣ ነቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ ድማ ለክዖ፣ በዚ ሓደ ሸነኽ፡ ሽዱሽተ እመት* ዝግፍሑ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ሽዱሽተ እመት ዝግፍሑ ዀነ። 2 እቲ መእተዊ ዓሰርተ እመት ዝግፍሑ ነበረ፣ እቲ ጐድናዊ መናድቕ* ድማ፡ ሓሙሽተ እመት በዚ ሓደ ሸነኽ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ ነበረ። ንውሓቱ ድማ ለክዖ፣ 40 እመት እውን ኰነ፣ ግፍሑ ኸኣ 20 እመት ኰነ። 3 ሽዑ፡ ናብ ውሽጢ* ኣተወ እሞ ነቲ ጐድናዊ ዓንዲ እቲ መእተዊ ለክዖ፣ ክልተ እመት ዝርጕዱ እውን ኰነ፣ እቲ መእተዊ ኸኣ ሽዱሽተ እመት ዝግፍሑ ነበረ። ጐድናዊ መናድቕ እቲ መእተዊ* ድማ ሸውዓተ እመት ነበረ። 4 ድሕሪኡ፡ ነታ ናብቲ ናይ ወጻኢ መቕደስ ገጻ ዝገበረት ክፍሊ ለክዓ፣ 20 እመት ዝንውሓታን 20 እመት ዝግፍሓን እውን ነበረት።+ “እዚኣ እታ ቕድስተ ቕዱሳን እያ”+ ኸኣ በለኒ። 5 ሽዑ፡ ንመንደቕ እታ ቤተ መቕደስ ለክዖ፣ ሽዱሽተ እመት ዝርጕዱ እውን ኰነ። እቲ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ ዘሎ ጐድናዊ ኽፍልታት ከኣ ኣርባዕተ እመት ዝግፍሑ ነበረ።+ 6 እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ሰለስተ ባይታ ዘለዎ ዀይኑ፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ እተደራረበ ነበረ፣ ኣብ ኵሉ እቲ ባይታታት ድማ ሰሰላሳ ኽፍሊ ነበረ። ኣብ ዙርያ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስ ነቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ዚጾሮ ሕድጋት ነበረ፣ ስለዚ፡ እቲ ጸዋሪ ናብ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስ ኣይኣተወን።+ 7 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እታ ቤተ መቕደስ ናብ ላዕለዋይ ክፍልታት ኪድይብ ከሎ እናገፍሐ ዚኸይድ ዓንኬላዊ መተሓላልፎ* ነበረ።+ ካብ ታሕተዋይ ባይታ ተበጊስካ ብማእከላይ ባይታ ሓሊፍካ ናብ ላዕለዋይ ባይታ ኽትድይብ ከለኻ፡ ግፍሑ ኻብ ባይታ ናብ ባይታ ይውስኽ ነበረ። 8 ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስ ልዕል ዝበለ መድረኽ ከም ዝነበረ ረኣኹ፣ መሰረታት እተን ጐድናዊ ኽፍልታት ድማ ክሳብ ኵርናዕ ሽዱሽተ እመት ዝንውሓቱ ምሉእ ሻምብቆ ዝልክዑ ነበረ። 9 ናይ ወጻኢ መንደቕ እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ድማ፡ ግፍሑ ሓሙሽተ እመት ነበረ። ኣብ ጐድኒ ኽፍሊ እታ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ህንጻ እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ከኣ ክፉት ስፍራ* ነበረ። 10 ኣብ መንጎ እታ ቤተ መቕደስን እቲ መመገቢ ኽፍልታትን*+ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዐዕስራ እመት ዝግፍሑ ቦታ ነበረ። 11 ኣብ መንጎ እቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ዘሎ ጐድናዊ ኽፍልታትን እቲ ኽፉት ስፍራን ሓደ መእተዊ፡ ብደቡባዊ ሸነኽ ድማ ካልእ መእተዊ ነበረ። ግፍሒ እቲ ኽፉት ስፍራ፡ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት ነበረ። 12 እቲ ብምዕራብ ዚርከብ ናብቲ ኽፉት ቦታ ገጹ ዝገበረ ህንጻ፡ 70 እመት ዝግፍሑን 90 እመት ዝንውሓቱን ነበረ፣ መንደቕ እቲ ህንጻ፡ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት ዝርጕዱ ነበረ። 13 ነታ ቤተ መቕደስ ድማ ለክዓ፣ 100 እመት ዝንውሓታ እውን ኰነት። እቲ ኽፉት ቦታን እቲ ህንጻን* መናድቑን ከኣ 100 እመት ዝንውሓቱ ነበረ። 14 ግፍሒ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዝገበረ ቕድሚት እታ ቤተ መቕደስን እቲ ኽፉት ቦታን ድማ 100 እመት ነበረ። 15 ንውሓት እቲ ብድሕሪት ዚርከብ ናብቲ ኽፉት ቦታ ገጹ ዝገበረ ህንጻ ምስቲ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘሎ መተሓላለፊኡ ለክዐ፣ 100 እመት እውን ኰነ። ነታ ናይ ወጻኢ መቕደስን ነታ ናይ ውሽጢ መቕደስን+ ንገበላታት እቲ ኣጸድን ድማ ለክዖ፣ 16 ነቲ ድርኵዂታትን ነቲ እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅትን+ ነቲ ኣብዚ ሰለስተ ቦታ እዚ ዚርከብ መተሓላለፍን እውን ለክዖ። ኣብ ጥቓ እቲ ድርኵዂት ካብ ባይታ ኽሳብ እቲ መሳዅቲ ብዕንጨይቲ እተረብበ ነበረ፣+ እቲ መሳዅቲ ኸኣ ክዱን ነበረ። 17 ልዕሊ እቲ መእተውን ውሽጢ እታ ቤተ መቕደስን እቲ ወጻእን ብዘሎ እቲ መንደቕ ብዙርያኡን ተለክዐ። 18 ቅርጽታት ኪሩቤልን+ ምስልታት ኦም ስየን ነበረ፣+ ኣብ መመንጎ ኽልተ ኪሩብ ሓሓደ ኦም ስየ ነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ድማ ክልተ ገጽ ነበሮ። 19 ገጽ ሰብ ናብቲ በዚ ሓደ ሸነኽ ዘሎ ኦም ስየ ኪኸውን ከሎ፡ ገጽ ኣንበሳ* ኸኣ ናብቲ በቲ ሓደ ሸነኽ ዘሎ ኦም ስየ ነበረ።+ ኣብ ብዘላ እታ ቤተ መቕደስ በዚ ኸምዚ ተቐሪጾም ነበሩ። 20 ካብ ባይታ ኽሳብ ልዕሊ እቲ መእተዊ ዘሎ ቦታ ድማ፡ ኣብ መንደቕ እታ መቕደስ፡ ኪሩቤልን ምስልታት ኦም ስየን ተቐሪጽዎ ነበረ። 21 ልዳት* እታ መቕደስ ትርብዒት ነበረ።+ ኣብ ቅድሚ እታ ቕድስቲ ቦታ* ኸኣ ከም 22 መሰውኢ ዕንጨይቲ+ ዝበለ ነበረ፣ ሰለስተ እመት ዝቝመቱን ክልተ እመት ዝንውሓቱን እውን ነበረ። ኣዕኑድ መኣዝን ነበሮ፣ እግሩን* ጐድኑን ድማ ብዕንጨይቲ እተገብረ ነበረ። ሽዑ፡ “እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘላ መኣዲ እያ” በለኒ።+ 23 እታ ናይ ወጻኢ መቕደስን እታ ቕድስቲ ቦታን ከክልተ ማዕጾ ነበረን።+ 24 እቲ መዓጹ ድማ ከክልተ ዚዘውር ክፋል፡ ነንሓደ ማዕጾ ኸክልተ ኽፋል ነበሮ። 25 ኣብ መዓጹ እታ መቕደስ ከኣ ከምቲ ኣብቲ መንደቕ ዝነበረ፡ እተቐርጸ ኪሩቤልን ምስልታት ኦም ስየን ነበረ።+ ኣብ ቅድሚት እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ገበላ ድማ ብዕንጨይቲ እተገብረ ሕልፊ ዚተርፍ ክፋል* ነበረ። 26 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ገበላ እውን እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅትን+ ምስልታት ኦም ስየን ነበረ፣ ኣብቲ ጐድናዊ ኽፍልታት እታ ቤተ መቕደስን ኣብቲ ሕልፊ ዚተርፍ ክፋልን እውን ከምኡ ነበረ። 46 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣፍ ደገ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል ናይ ውሽጢ ኣጸድ+ በተን ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ+ ዕጹው ይኹን፣+ ብመዓልቲ ሰንበትን ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሕን ግና ይከፈት። 2 እቲ ሹም ከኣ ብመገዲ እቲ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወጻኢ ኺኣቱ፡+ ኣብ ጥቓ ልዳት እቲ ኣፍ ደገ እውን ደው ኪብል እዩ። እቶም ካህናት ድማ ነቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቱን ንመስዋእቲ ሕብረቱን ኬቕርብዎ እዮም፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ኺሰግድ፡ ድሕሪኡ እውን ኪወጽእ እዩ። እቲ ኣፍ ደገ ግና ክሳዕ ምሸት ኣይተዓጾ። 3 ህዝቢ እታ ምድሪ እውን፡ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን፡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ እቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺሰግዱ እዮም።+ 4 “‘እቲ ሹም ብመዓልቲ ሰንበት ንየሆዋ ዜቕርቦ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ፡ ሽዱሽተ ጥዑያት ገንሸላትን* ሓደ ጥዑይ ድዑልን ይኹን።+ 5 እቲ መስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ነቲ ድዑል ሓደ ኤፋ፡* ነቶም ገንሸላት ድማ ከምቲ ኺህቦ ዚኽእል፡ ምስኡ እውን መምስ ሓደ ኤፋ ሓደ ሂን* ዘይቲ ኪኸውን እዩ።+ 6 ብመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸኣ፡ እቲ መስዋእቲ ኻብ ከብቲ ሓደ ጥዑይ ዝራብዕን ጥዑያት ሽዱሽተ ገንሸላትን ሓደ ድዑልን ይኹን።+ 7 መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ድማ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገንሸላት ከኣ ከም ዓቕሙ የቕርብ። መምስ ሓደ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ የቕርብ። 8 “‘እቲ ሹም ኪኣቱ ኸሎ፡ ብመገዲ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ይእቶ፣ በቲ መገዲ እቲ እውን ይውጻእ።+ 9 ህዝቢ እታ ምድሪ ብግዜ በዓላት ናብ ቅድሚ የሆዋ ምስ ኣተዉ፡+ እቶም ኬምልኹ ብሰሜናዊ ኣፍ ደገ ዝኣተዉ፡+ ብደቡባዊ ኣፍ ደገ ይውጽኡ፣+ እቶም ብደቡባዊ ኣፍ ደገ ዝኣተዉ ድማ፡ ብሰሜናዊ ኣፍ ደገ ይውጽኡ። በቲ ኣብ መንጽሮም ዘሎ ኣፍ ደገ ደኣ ይውጽኡ እምበር፡ ሓደ እኳ ብመገዲ እታ ዝኣተወላ ኣፍ ደገ ኣይመለስ። 10 እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሹም ከኣ፡ ንሳቶም ኪኣትዉ ኸለዉ ይእቶ፣ ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ድማ ይውጻእ። 11 ብበዓላትን ብቕነ በዓላትን እቲ መስዋእቲ እኽሊ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገንሸላት ድማ ከምቲ ኺህቦ ዚኽእል፡ መምስ ኤፋ እውን ሓደ ሂን ዘይቲ ይኹን።+ 12 “‘እቲ ሹም ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ መስዋእቲ ሕብረት እንተ ኣቕሪቡ፡ እቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል ኣፍ ደገ ኪኽፈተሉ እዩ፣ ንሱ ድማ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቱን መስዋእቲ ሕብረቱን ከምቲ ናይ መዓልቲ ሰንበት ገይሩ ኬቕርብ እዩ።+ ምስ ወጸ፡ እቲ ኣፍ ደገ ብድሕሪኡ ይተዓጾ።+ 13 “‘ንየሆዋ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ጥዑይ ገንሸል ኣቕርብ።+ ነዚ ንግሆ ንግሆ ግበሮ። 14 ምስኡ ድማ፡ ንየሆዋ ስሩዕ መስዋእቲ እኽሊ ኪኸውን ሻድሻይ ኣፍ ኤፋ ኸም መስዋእቲ እኽሊ፡ ኣብቲ ድኹም ሓርጭ ኪንጸግ እውን ሲሶ ሂን ዘይቲ ኣቕርብ። እዚ ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 15 ገንሸልን መስዋእቲ እኽልን ዘይትን ከኣ ንግሆ ንግሆ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሮም ብስሩዕ የቕርቡ።’ 16 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እቲ ሹም ንደቁ ንነፍሲ ወከፎም ርስቲ ገይሩ ህያብ እንተ ሂቡ፡ ርስቲ ደቁ ኪኸውን እዩ። ዝወረስዎ ርስቶም እዩ። 17 ግናኸ፡ ንሓደ ኻብ ገላዉኡ ኻብ ርስቱ ህያብ እንተ ሂቡ ግና፡ ክሳዕ ዓመት ሓርነት ናቱ ኪኸውን እዩ፣+ ድሕሪኡ ድማ ናብቲ ሹም ኪምለስ እዩ። እቲ ርስቲ ደቁ ጥራይ እዩ ንሓዋሩ ናታቶም ዚኸውን። 18 እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ ኻብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም። ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ኻብ ርስቱ ኸይስጐጕሲ፡ ነቶም ደቁ ኻብ ርስቱ ይሃቦም።’” 19 ሽዑ፡ በቲ ናብ ሰሜን ገጹ+ ዘበለ ኣብ ጥቓ እቲ ናብቲ ቕዱስ መመገቢ ኽፍልታት* ካህናት ዚመርሕ ኣፍ ደገ ዘሎ መእተዊ+ ኣምጽኣኒ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብቲ ናብ ምዕራብ ዜብል ድሕሪት፡ ሓደ ቦታ ረኣኹ። 20 ንሱ ድማ፡ “እቶም ካህናት ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ዋላ ሓንቲ ኸየውጽኡን ቅድስና ነቲ ህዝቢ ኸየመሓላልፉሉንሲ፡*+ መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ሓጢኣትን ዜብስሉሉ፡ መስዋእቲ እኽሊ+ እውን ዚስንክቱሉ ቦታ እዚ እዩ” በለኒ። 21 ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ኣምጽኣኒ፡ በቲ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣጸድ እውን ኣሕለፈኒ፣ ኣብ ኵሉ መኣዝን እቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ከኣ ሓሓደ ኣጸድ ረኣኹ። 22 ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣጸድ፡ 40 እመት* ዝንውሓቱን 30 እመት ዝግፍሑን ንኣሽቱ ኣጸዳት ነበረ። ኣርባዕቲኡ ድማ ሕደ ዝዓቐኑ ነበረ።* 23 ኣብ ኣርባዕቲኡ ኸኣ ሕድጋት ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕድጋት* እውን መብሰሊ መስዋእቲ ኪኸውን እተሰርሐ ቦታ ነበረ። 24 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኣገልገልቲ እታ ቤተ መቕደስ፡ መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ዜብስሉሉ ኣባይቲ እዚ እዩ” በለኒ።+ 37 ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ የሆዋ ኸኣ ብመንፈሱ ወሰደኒ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ስንጭሮ ድማ ኣንበረኒ፣+ ንሳ እውን ኣዕጽምቲ መሊእዋ ነበረ። 2 ብዙርያኦም ከኣ ኣሕለፈኒ፣ ኣብታ ጐልጐል ስንጭሮ ኣዝዩ ብዙሕ ኣዕጽምቲ ዛሕ ኢሉ ምንባሩን ኣዝዩ ንቑጽ ምንባሩን ድማ ረኣኹ።+ 3 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣዕጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ትፈልጥ” በልኩ።+ 4 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኣብ ልዕሊ እዚ ኣዕጽምቲ እዚ ተነበ፣ ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ኣቱም ንቑጻት ኣዕጽምቲ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፦ 5 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ነዚ ኣዕጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።+ 6 ጅማውትን ስጋን ክገብረልኩም፡ ብቘርበት ድማ ክኸድነኩም፡ ትንፋስ ከኣ ከእትወልኩም እየ፣ ህያዋን እውን ክትኰኑ ኢኹም። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።”’” 7 ከምቲ እተኣዘዝክዎ ድማ ተነበኹ። ምስ ተነበኹ ኸኣ፡ ብኡብኡ ደሃይ፡ ደሃይ ሓሸሽታ ዀነ፣ እቲ ኣዕጽምቲ ድማ፡ ዓጽሚ ናብ ዓጽሚ ተቐራረበ። 8 ሽዑ፡ ጅማውትን ስጋን ኣብ ልዕሊኦም ኪኸውን፡ ቈርበት እውን ኪኸድኖም ከሎ ረኣኹ። ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን። 9 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ንንፋስ ተነበየሉ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፣ ንንፋስ ከኣ፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኦ ንፋስ፡* ካብቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ንዓ እሞ ህያዋን ምእንቲ ኪዀኑስ ኣብዞም ቅቱላት ንፈስ”’ በሎ” በለኒ። 10 ስለዚ፡ ከምቲ ዝኣዘዘኒ ተነበኹ፣ ትንፋስ* ድማ ኣተዎም፣ ህያዋን እውን ኰኑ፣ ብኣእጋሮም ከኣ ደው በሉ፣+ ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት እውን ኰኑ። 11 ሽዑ፡ ንሱ ኸምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣዕጽምቲ እዚ፡ ብዘሎ ቤት እስራኤል እዩ።+ እንሆ፡ ንሳቶም፡ ‘ኣዕጽምትና ነቒጹ፡ ተስፋና ኸኣ ጠፊኡ።+ ጠሪስና ተቘሪጽና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ። 12 ስለዚ፡ ተነበ፡ ከምዚ እውን በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ክኸፍት፡+ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከተንስኣኩም፡ ናብ ምድሪ እስራኤል እውን ከምጽኣኩም እየ።+ 13 ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፡ ካብ መቓብራትኩም ድማ ምስ ኣተንሳእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”’+ 14 ‘መንፈሰይ ኣባኻትኩም ከንብር እየ፣+ ህያዋን እውን ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣብ ምድርኹም ድማ ከስፍረኩም እየ። ኣነ የሆዋ ኸም እተዛረብክዎን ከም ዝገበርክዎን ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል የሆዋ።” 15 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 16 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሓደ ዕንጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ‘ንይሁዳን ምስኡ ንዘለዉ* ህዝቢ እስራኤልን’ ኢልካ ጽሓፈሉ።+ ድሕሪኡ፡ ካልእ ዕንጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ‘ንዮሴፍ እቲ ዕንጨይቲ ኤፍሬምን ምስኡ ንዘለዉ* ዅሎም ቤት እስራኤልን’ ኢልካ ጽሓፈሉ።+ 17 ክልቲኡ ኣብ ኢድካ ሓደ ዕንጨይቲ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሓድሕዱ ኣላግቦ።+ 18 እቶም ህዝብኻ፡* ‘እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነስ ኣይትነግረናን ዲኻ፧’ ምስ በሉኻ፡ 19 ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ምስኡ ዘለዉ ነገዳት እስራኤልን ዘሎ ዕንጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፡ ምስ ዕንጨይቲ ይሁዳ ድማ ከላግቦም እየ፣ ሓደ ዕንጨይቲ ኸኣ ክገብሮም እየ፣+ ኣብ ኢደይ ድማ ሓደ ኪዀኑ እዮም” በሎም።’ 20 እቲ ዝጸሓፍካሉ ኣዕጫው ከኣ ኪርእይዎስ ኣብ ኢድካ ይኹን። 21 “ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንእስራኤላውያን ካብ መንጎ እቶም ዝኸድዎም ኣህዛብ ክወስዶም፡ ካብ ኵሉ ኣንፈት ድማ ክእክቦም፡ ናብ ምድሮም እውን ከምጽኦም እየ።+ 22 ኣብታ ምድሪ፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ከኣ ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ፣+ ደጊም ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይኪዀኑን እዮም፣ ደጊም እውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን እዮም።+ 23 ደጊም ብጽዩፋት ጣኦታትን* ብፍንፉን ተግባራትን ብዅሉ ኣበሳኦምን ኣይኪረኽሱን እዮም።+ ካብ ኵሉ እቲ ዝሓጥእዎ ጥልመት ከድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+ 24 “‘“ጊልያይ ዳዊት ንጉሶም ኪኸውን፡+ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኺህልዎም እዩ።+ ብፍርድታተይ ኪመላለሱ፡ ሕግታተይ ከኣ ተጠንቂቖም ኪሕልዉ እዮም።+ 25 ኣብታ ንጊልያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፡ ኣቦታትኩም ድማ ዝነበርዋ ምድሪ ኪቕመጡ፡+ ኣብኣ ኸኣ ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን+ ንዘለኣለም ኪቕመጡ እዮም፣+ ጊልያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ሹሞም* ኪኸውን እዩ።+ 26 “‘“ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፣+ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እውን ኪዀነሎም እዩ። ክስርቶም፡ ከብዝሖም፡+ መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ መንጎኦም ከቕውም እየ። 27 ድንኳነይ* ምሳታቶም* ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ድማ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።+ 28 መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ፡ ኣነ የሆዋ ንእስራኤል እቕድሶ ኸም ዘለኹ ኣህዛብ ኪፈልጡ እዮም።”’”+ 40 ካብ እንማረኽ ኣብ መበል 25 ዓመት፡+ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ካብቲ እታ ኸተማ ዝወደቐትሉ ኣብ መበል 14 ዓመት፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ ኰነት፣ ንሱ ድማ ናብታ ኸተማ ወሰደኒ።+ 2 ካብ ኣምላኽ ብዝመጸ ራእያት፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣምጽኣኒ፡ ብደቡብ ከም ከተማ ዝበለ ህንጻ ኣብ ዘለዎ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ከኣ ኣንበረኒ።+ 3 ናብኡ ምስ ኣምጽኣኒ፡ ከም ነሓሲ ዝትርኢቱ ሰብኣይ ረኣኹ።+ ገመድ ልሕጺ እንጣጢዕን ሻምብቆ* መለክዕን ኣብ ኢዱ ነበረ፣+ ኣብ ኣፍ ደገ ድማ ደው ኢሉ ነበረ። 4 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ስለዚ ኢኻ ናብዚ ዝመጻእካ እሞ፡ ኣጸቢቕካ ርአ፡ ተጠንቂቕካ ስማዕ፡ ንዅሉ እቲ ዘርእየካ ድማ ኣቕልበሉ።* ኵሉ እቲ ዝረኣኻዮ ድማ፡ ንቤት እስራኤል ንገሮ” በለኒ።+ 5 ነታ ቤተ መቕደስ* ብወጻኢ ዚኸብባ መንደቕ ረኣኹ። ኣብ ኢድ እቲ ሰብኣይ ሽዱሽተ እመት ዝንውሓቱ ሻምብቆ መለክዒ ነበረ፣ (ነንእመት ከኣ ሓሓደ ስፍሓት ኢድ ተወሲኽዎ ነበረ)።* ነቲ መንደቕ ድማ ለክዖ፣ ርጕዱ ሓደ ሻምብቆ፡ ቍመቱ ድማ ሓደ ሻምብቆ ዀነ። 6 ሽዑ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዝገበረ ኣፍ ደገ መጸ፣+ በቲ ደረጃታቱ ድማ ደየበ። ንድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ምስ ለክዖ፡ ግፍሑ ሓደ ሻምብቆ ዀነ፣ ግፍሒ እቲ ኻልእ ድርኵዂት እውን ሓደ ሻምብቆ ዀነ። 7 ሓደ ኽፍሊ ሓላዊ ሓደ ሻምብቆ ዝንውሓቱን ሓደ ሻምብቆ ዝግፍሑን ነበረ፣ ኣብ መንጎ ኽፍልታት ሓላዊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ።+ እቲ ኣብ ጥቓ ገበላ ዘሎ ናብ ውሽጢ ገጹ ዚርከብ ድርኵዂት ኣፍ ደገ ልክዑ ሓደ ሻምብቆ ነበረ። 8 ነቲ ናብ ውሽጢ ኣቢሉ ዚርከብ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ድማ ለክዖ፣ ሓደ ሻምብቆ እውን ኰነ። 9 ሽዑ፡ ንገበላ እቲ ኣፍ ደገ ለክዖ፣ ሸሞንተ እመት እውን ኰነ። ነቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ ከኣ ለክዖ፣ ክልተ እመት እውን ኰነ። እቲ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ሸነኽ ናብ ውሽጢ ገጹ ነበረ። 10 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ሰሰለስተ ኽፍሊ ሓላዊ ነበረ። ሰለስቲኡ ሓደ ዝዓቐኑ ነበረ፣ እቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዚርከብ ጐድናዊ ኣዕኑድ ከኣ ሕደ ዝዓቐኑ ነበረ። 11 ሽዑ፡ ንግፍሒ እቲ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ለክዖ፣ 10 እመት እውን ኰነ፣ ንውሓት እቲ ኣፍ ደገ ድማ 13 እመት ነበረ። 12 እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኽፍልታት ሓላዊ ዘሎ እተኸፍለ ቦታ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓሓደ እመት ነበረ። እቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዚርከብ ክፍልታት ሓላዊ ሸሽዱሽተ እመት ነበረ። 13 ሽዑ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ኻብ ናሕሲ እቲ ሓደ ኽፍሊ ሓላዊ* ናብ ናሕሲ እቲ ኻልእ ለክዐ፣ 25 እመት ዝግፍሑ እውን ኰነ። ሓደ መእተዊ ኣብ መንጽር እቲ ሓደ መእተዊ ነበረ።+ 14 ሽዑ፡ ነቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ ለክዖ፣ 60 እመት ዝቝመቱ እውን ኰነ፣ እቲ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ኣብ ዝነበረ ኣፍ ደገታት ዚርከብ ጐድናዊ ኣዕኑድ እውን ከምኡ ነበረ። 15 ካብ ቅድሚት እቲ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኽሳብ ቅድሚት እቲ ብውሽጣዊ ሸነኽ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ገበላ 50 እመት ነበረ። 16 ነቲ ኽፍልታት ሓላውን ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣፍ ደገ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘሎ ጐድናዊ ኣዕኑድን እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅቲ*+ ነበሮ። እቲ ውሽጣዊ ኽፋል እቲ ገበላ እውን ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ መሳዅቲ ነበሮ፣ ኣብቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ ከኣ ምስልታት ኦም ስየ+ ነበረ። 17 ሽዑ፡ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኣምጽኣኒ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ኣጸድ ድማ መመገቢ ኽፍልታትን*+ እምኒ እተነጽፎ ባይታን ረኣኹ። ኣብቲ እምኒ እተነጽፎ ባይታ ኸኣ 30 መመገቢ ኽፍሊ ነበረ። 18 እቲ ኣብ ጐድኒ ኣፍ ደገታት ዘሎ እምኒ እተነጽፎ ባይታ ምስ ንውሓት እቲ ኣፍ ደገታት ማዕረ ነበረ፣—እዚ እቲ ታሕተዋይ ብእምኒ እተነጽፈ ባይታ ነበረ። 19 ሽዑ፡ ካብ ቅድሚት እቲ ታሕተዋይ ኣፍ ደገ ናብ ዙርያ እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ዘሎ ርሕቐት* ለክዐ። ብምብራቕን ብሰሜንን 100 እመት ነበረ። 20 እቲ ናይ ወጻኢ ኣፍ ደገ ናብ ሰሜን ገጹ ዘበለ ኣፍ ደገ ነበሮ፣ ንንውሓቱን ንግፍሑን ከኣ ለክዖ። 21 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሰሰለስተ ኽፍሊ ሓላዊ ነበረ። ጐድናዊ ኣዕኑዱን ገበላኡን ከምቲ ቐዳማይ ኣፍ ደገ ዝልክዑ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 22 መሳዅቱን ገበላኡን ምስልታት ኦም ስየኡን+ ከምቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ዝዓቐኑ ነበረ። ብሸውዓተ ደረጃታት ይድየብ ነበረ፣ ገበላኡ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 23 ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ኣብ መንጽር እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ሓደ ኣፍ ደገ ነበረ፣ ኣብ መንጽር እቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ እውን ሓደ ነበረ። ካብ ኣፍ ደገ ናብ ኣፍ ደገ ዘሎ ርሕቐት ከኣ ለክዐ፣ 100 እመት እውን ኰነ። 24 ድሕርዚ፡ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኣምጽኣኒ፣ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ድማ ኣፍ ደገ ረኣኹ።+ ነቲ ጐድናዊ ኣዕኑዱን ንገበላኡን ከኣ ለክዖ፣ ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ድማ ነበረ። 25 ኣብ ክልቲኡ ሸነኹን ኣብ ገበላኡን ከምቲ ኻልእ መሳዅቲ ዝበለ መሳዅቲ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 26 ናብኡ ዜደይብ ሸውዓተ ደረጃታት ነበረ፣+ ገበላኡ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። ኣብ ጐድናዊ ኣዕኑዱ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኹ ምስልታት ኦም ስየ ነበረ። 27 እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ናብ ደቡብ ገጹ ዘበለ ኣፍ ደገ ነበሮ፣ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኻብ ኣፍ ደገ ናብ ኣፍ ደገ ለክዐ፣ እቲ ርሕቐት እውን 100 እመት ኰነ። 28 ድሕርዚ፡ በቲ ደቡባዊ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ናብቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ኣእተወኒ፣ ነቲ ደቡባዊ ኣፍ ደገ ምስ ለክዖ፡ ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ። 29 ክፍልታት ሓላዊኡን ጐድናዊ ኣዕኑዱን ገበላኡን ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ። ኣብ ክልቲኡ ሸነኹን ኣብ ገበላኡን መሳዅቲ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ።+ 30 ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ገበላታት ነበረ፣ 25 እመት ዝንውሓቱን 5 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 31 ገበላኡ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ገጹ ዘበለ ነበረ፣ ኣብ ጐድናዊ ኣዕኑዱ ድማ ምስልታት ኦም ስየ ነበረ፣+ ብሸሞንተ ደረጃ ኸኣ ይድየብ ነበረ።+ 32 ካብ ምብራቕ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ምስ ኣምጽኣኒ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ለክዖ፣ ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ድማ ነበረ። 33 ክፍልታት ሓላዊኡን ጐድናዊ ኣዕኑዱን ገበላኡን ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኹን ኣብ ገበላኡን ከኣ መሳዅቲ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 34 ገበላኡ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ገጹ ዘበለ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ እቲ ጐድናዊ ኣዕኑዱ ድማ ምስልታት ኦም ስየ ነበረ፣ ብሸሞንተ ደረጃ ኸኣ ይድየብ ነበረ። 35 ሽዑ፡ ናብ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ኣምጽኣኒ፣+ ንዕኡ ድማ ለክዖ፣ ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ። 36 ክፍልታት ሓላዊኡን ጐድናዊ ኣዕኑዱን ገበላኡን ከምቲ ኻልእ ዝዓቐኑ ነበረ። ኣብ ክልቲኡ ሸነኹ ኸኣ መሳዅቲ ነበረ። 50 እመት ዝንውሓቱን 25 እመት ዝግፍሑን ነበረ። 37 ጐድናዊ ኣዕኑዱ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ገጹ ዘበለ ነበረ፣ ኣብ ክልቲኡ እቲ ጐድናዊ ኣዕኑዱ ድማ ምስልታት ኦም ስየ ነበረ፣ ብሸሞንተ ደረጃ ኸኣ ይድየብ ነበረ። 38 ኣብ ጥቓ እቲ ጐድናዊ ኣዕኑድ እቲ ኣፍ ደገታት ድማ መመገቢ ኣፍ ደገ ምስ መእተዊኡ ነበረ፣ ኣብኡ ኸኣ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ይሕጸብ ነበረ።+ 39 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሓጢኣትን+ መስዋእቲ በደልን+ ዚሕረደሉ ገበላ እቲ ኣፍ ደገ ድማ ከክልተ ሰደቓ ነበረ። 40 ኣብቲ ናብ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ዜደይብ ከኣ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ መእተዊ ኽልተ ሰደቓ ነበረ። ኣብቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ገበላ ኣፍ ደገ እውን ክልተ ሰደቓ ነበረ። 41 ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ኣፍ ደገ መስዋእቲ ዚሕረደሉ ኣኣርባዕተ ሰደቓ፡ ኵሉዅሉ ሸሞንተ ሰደቓ ነበረ። 42 እቲ ንብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ኣርባዕተ ሰደቓ ኻብ ውቑር እምኒ ነበረ። ሓደ እመትን ፈረቓን ዝንውሓቱ፡ ሓደ እመትን ፈረቓን ዝግፍሑ፡ ሓደ እመት ከኣ ዝቝመቱ ነበረ። ነቲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንምሕራድ ዜገልግል መሳርሒታት ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ። 43 ሓደ ስፍሓት ኢድ ዝግፍሑ ኸብከብ* ኣብ ዙርያ እቲ ውሽጣዊ መንደቕ ተላጊቡ ነበረ፣ ስጋ እቲ መባእ ከኣ ኣብቲ ሰደቓታት ይንበር ነበረ። 44 ኣብ ወጻኢ እቲ ውሽጣዊ ኣፍ ደገ ንዘመርቲ ዚኸውን መመገቢ ኽፍልታት ነበረ፣+ እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ፡ ናብ ደቡብ ገጹ ነበረ። ካልእ መመገቢ ኽፍሊ ድማ ኣብ ጥቓ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ፡ ናብ ሰሜን ገጹ ነበረ። 45 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “እዚ ናብ ደቡብ ገጹ ዘሎ መመገቢ ኽፍሊ፡ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኬገልግሉ ሓላፍነት እተሰከሙ ኻህናት እዩ።+ 46 እዚ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ መመገቢ ኽፍሊ፡ ነቶም ኣብቲ መሰውኢ ኼገልግሉ ሓላፍነት እተሰከሙ ኻህናት እዩ።+ ንሳቶም እቶም ኬገልግልዎ ናብ የሆዋ ኪቐርቡ እተመደቡ ሌዋውያን+ ደቂ ጻዶቅ+ እዮም።” 47 ሽዑ፡ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ለክዖ። 100 እመት ዝንውሓቱን 100 እመት ዝግፍሑን ትርብዒት ነበረ። እቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ ነበረ። 48 ሽዑ፡ ናብ ገበላ እታ ቤተ መቕደስ ኣምጽኣኒ፣+ ነቲ ጐድናዊ ዓንዲ እቲ ገበላ ድማ ለክዖ፣ ሓሙሽተ እመት በዚ ሓደ ሸነኽ፡ ሓሙሽተ እመት እውን በቲ ሓደ ሸነኽ ነበረ። ግፍሒ እቲ ኣፍ ደገ ሰለስተ እመት በዚ ሓደ ሸነኽ፡ ሰለስተ እመት በቲ ሓደ ሸነኽ ነበረ። 49 እቲ ገበላ 20 እመት ዝንውሓቱን 11* እመት ዝግፍሑን ነበረ። ብደረጃታት ይድየብ ነበረ። ኣብ ጥቓ እቲ ልዳውቲ ድማ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓሓደ ዓንዲ ነበረ።+ 16 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንየሩሳሌም፡ እቲ ፍንፉን ተግባራታ ኣፍልጣ።+ 3 ከምዚ በላ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንየሩሳሌም ከምዚ ይብላ ኣሎ፦ “መበቈልክን ልደትክን ኣብ ምድሪ ከነኣናዊ እዩ። ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፣+ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ።+ 4 ብዛዕባ ልደትኪ ድማ፡ በታ እተወለድክላ መዓልቲ፡ ዕትብትኺ ኣይተቘርጸን፡ ክትጸርዪ ኸኣ ብማይ ኣይተሓጸብክን፡ ብጨው ድማ ኣይተደረዝክን፡ ብኽዳውንቲ እውን ኣይተጠቕለልክን። 5 ከምዚ ኺገብረልኪ ኢሉ ዝደንገጸልክስ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ዋላ ሓደ እውን ኣይራሕርሓልክን። የግዳስ፡ በታ እተወለድክላ መዓልቲ ስለ እተጸላእኪ፡* ናብ ቃልዕ መሮር ተደርቢኺ። 6 “‘“ክሓልፍ ከለኹ ኸኣ፡ ኣብ ደምኪ ፈንጠርጠር ክትብሊ ኸለኺ ርእየኪ፣ ኣብ ደምኪ በጥ ኢልኪ ኸለኺ ድማ፡ ‘ብህይወት ንበሪ!’ ኢለኪ። እወ፡ ኣብ ደምኪ በጥ ኢልኪ ኸለኺ፡ ‘ብህይወት ንበሪ!’ ኢለኪ። 7 ከም ኣብ ግራውቲ ዚበቍል ኣትክልቲ፡ ኣእላፋት ገይረኪ፣ ነዊሕኪ፡ ዓቢኺ፡ ብሉጽ ክዳውንቲ ድማ ተኸዲንኪ። ኣጥባት ኣውጺእኪ፡ ጸጕርኺ ኸኣ ነዊሑ፣ ግናኸ፡ ጥራይክን ዕርቕትን ኢኺ ኔርኪ።”’ 8 “‘ክሓልፍ ከለኹ ምስ ረኣኹኺ ኸኣ፡ ንፍቕሪ ኸም ዝኣኸልኪ ኣስተብሂለ። ስለዚ፡ ክዳነይ* ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ+ ዕርቃንኪ ኸዲነ፣ ምሒለልኪ፡ ኪዳን እውን ኣትየልኪ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ናተይ እውን ኴንኪ። 9 ብማይ ከኣ ሓጺበኪ፡ ካብ ደምኪ ድማ ኣጽርየኪ፡ ዘይቲ እውን ለኽየኪ።+ 10 ብጥሉፍ ክዳን ከኣ ከዲነኪ፡ ሳእኒ ብሉጽ ቈርበት* ድማ ሂበኪ፡ ብቕጭን በፍታ ኸኣ ጠምጢመኪ፡ ብኽቡር ክዳን እውን ከዲነኪ። 11 ብስልማት ሰሊመኪ፣ ኣብ ኣእዳውኪ ኣምባር፡ ኣብ ክሳድኪ እውን ድሪ ገይረልኪ። 12 ኣብ ኣፍንጫኺ ኸኣ ቀለቤት፡ ኣብ ኣእዛንኪ ድማ ኵትሻ፡ ኣብ ርእስኺ እውን ጽቡቕ ዘውዲ ገይረልኪ። 13 ብወርቅን ብብሩርን ተሰሊምኪ፣ ክዳንኪ ኸኣ ቅጭን በፍታን ክቡር ክዳንን ጥሉፍ ክዳንን እዩ ነይሩ። ድኹም ሓርጭን መዓርን ዘይትን ትበልዒ ኔርኪ፣ ኣዚኺ ድማ ጸቢቕኪ ኔርኪ፣+ ንግስቲ ንምዃን* እትበቕዒ እውን ኴንኪ ኔርኪ።’” 14 “‘ጽባቐኺ ሳላ እቲ ዘልበስኩኺ ግርማይ ፍጹም እዩ ነይሩ እሞ፡+ ዝናኺ* ኣብ ኣህዛብ ተዘርጊሑ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 15 “‘ንስኺ ግና ብጽባቐኺ ተኣሚንኪ፣+ ብሰንኪ ዝናኺ ድማ ኣመንዝራ ዄንኪ።+ ምንዝርናኺ ኸኣ ምስ ኵሉ ሓላፍ መገዲ ኣብዚሕኪ፣+ ጽባቐኺ እውን ናቱ ዀይኑ። 16 ገለ ኻብቲ ኽዳውንትኺ ወሲድኪ፡ ሕብራዊ በረኽቲ ጌርኪ ኣብኡ መንዚርኪ፣+—ከምዚ ዝበለስ ኪግበር ኰነ ኪኸውን ኣይነበሮን። 17 ነቲ ኻብቲ ኣነ ዝሃብኩኺ ወርቅን ብሩርን እተገብረ ጽቡቕ ስልማትኪ ወሲድኪ፡ ንዓኺ ምስልታት ተባዕትዮ ጌርክዮ፣ ምሳታቶም እውን መንዚርኪ።+ 18 ነቲ ጥሉፍ ክዳውንትኺ ወሲድኪ ድማ ከዲንክዮም፣* ዘይተይን ዕጣነይን+ ከኣ ኣቕሪብክሎም። 19 ነቲ ኻብቲ ኽትበልዕዮ ዝሃብኩኺ ድኹም ሓርጭን ዘይትን መዓርን እተገብረ ዝሃብኩኺ እንጌራ ድማ ጥዑም ጨና ጌርኪ ኣቕሪብክሎም።+ ልክዕ ከምኡ እዩ ዀይኑ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 20 “‘ነቶም ዝወለድክለይ ኣወዳትክን ኣዋልድክን ወሲድኪ፡+ ምእንቲ ኺውሕጥዎምሲ ንጣኦታት ሰዊእክዮም፣+—እቲ ምንዝርናኽስ እምብዛዶ ኣይበዝሐን፧ 21 ንደቀይ ሓሪድክዮም፡ ብሓዊ ብምሕላፍ ከኣ ሰዊእክዮም።+ 22 እቲ ዅሉ ፍንፉን ተግባራትክን ምንዝርናኽን ክትገብሪ ኸለኺ፡ እተን ጥራይክን ዕርቕትን ዝነበርክለን፡ ኣብ ደምኪ እውን ፈንጠርጠር እትብልለን ዝነበርኪ መዓልትታት ንእስነትኪ ኣይዘከርክን። 23 ድሕሪ ዅሉ እከይኪ፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 24 ‘ንርእስኺ ዅምራ ሰሪሕኪ፡ ኣብ ኵሉ ኣደባባይ ከኣ ንርእስኺ በሪኽ ጌርኪ። 25 ኣብ ምርኡይ ኵሉ ጐደና በረኽትኺ ሰሪሕኪ፣ ገዛእ ርእስኺ ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ብምቕራብ* ድማ ንጽባቐኺ ፍንፉን ጌርክዮ፣+ ምንዝርናኺ እውን ኣብዚሕኪ።+ 26 ምስቶም ፍትወተ ስጋ ዘለዎም ጐረባብትኺ* ደቂ ግብጺ መንዚርኪ፣+ ማእለያ ብዘይብሉ ምንዝርናኺ እውን ኣዀሪኽኒ። 27 እምበኣር፡ ኢደይ ኣንጻርኪ ኸምጽእ፡ ቀረብ ምግብኺ ድማ ከጕድሎ፡+ ንፍቓድ* እተን ዚጸልኣኽን+ ብጽያፍኪ ዘስካሕክሓን+ ኣዋልድ ፍልስጥኤም እውን ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ። 28 “‘ስለ ዘይዓገብኪ ኸኣ፡ ምስ ደቂ ኣሶር መንዚርኪ፣+ ምሳታቶም ምስ መንዘርኪ ግና፡ ገና ኣይዓገብክን። 29 ስለዚ፡ ምንዝርናኺ ናብ ምድሪ ነጋዶን* ናብ ምድሪ ከለዳውያንን ኣብዚሕኪ፣+ ሽዑ እውን ኣይዓገብክን። 30 ከም ዘይትሓንኽ ኣመንዝራ ዄንኪ እዚ ዅሉ ኽትገብሪ ኸለኽስ፡+ ልብኺ ኽንደይ ኰን እዩ ዝሓመመ!’* ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 31 ‘ኣብ ምርኡይ ኵሉ ጐደና ዅምራ ምስ ሰራሕክን ኣብ ኵሉ ኣደባባይ በሪኽ ምስ ገበርክን ግና፡ ክፍሊት ስለ ዝኣበኺ፡ ከም ኣመንዝራ ኣይነበርክን። 32 ኣብ ክንዲ ሰብኣያ፡ ካልኦት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ደኣ ዄንኪ!+ 33 ንዅለን ኣመናዝርሲ ህያብ ይህብወን እዮም፣+ ንዅሎም ብፍትወተ ስጋ ዚስዕቡኺ ህያባት ዝሃብክዮም ግና ንስኺ ኢኺ፣+ ካብ ዙርያኺ መጺኦም ኪምንዝሩ ኸኣ ጉቦ ሂብክዮም።+ 34 ካብተን ዚምንዝራ ኻልኦት ኣንስቲ እተፈለኺ ኢኺ። ከም ናትኪ ገይሩ ዚምንዝር የልቦን! ንስኺ ኢኺ እትኸፍልዮም፣ ንሳቶም ኣይኰኑን ዚኸፍሉኺ። መገድኺ ፍልይ ዝበለ እዩ።’ 35 “ስለዚ፡ ኣቲ ኣመንዝራ፡+ ቃል የሆዋ ስምዒ። 36 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ምስ ኣፍቀርትኽን ምስ ኵሎም እቶም ደም ደቀይ ዝሰዋእክሎም+ ፍንፉናትን ጽዩፋትን ጣኦታትን* ክትምንዝሪ ኸለኺ+ ፍትወትኪ ስለ እተኻዕወን ዕርቃንኪ ስለ እተቐልዐን፡ 37 ስለዚ፡ ንዅሎም እቶም ባህ ዘበልክዮም ኣፍቀርትኺ፡ ንዅሎም እቶም ዘፍቀርክዮምን ዝጸላእክዮምን እእክቦም ኣለኹ። ካብ ዙርያኺ ኣንጻርኪ ኽእክቦም፡ ዕርቃንኪ ድማ ክቐልዓሎም እየ፣ ኵሉ ዕርቃንኪ ኸኣ ኪርእዩ እዮም።+ 38 “‘ንዘመውትን+ ደም ንዜፍስሳን+ ብዚግባእ ፍርዲ ኽፈርደኪ፡ ደምኪ ኸኣ ብነድርን ብቕንእን ኪፈስስ እዩ።+ 39 ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፣ ንሳቶም ድማ ኵምራታትኪ ኼዕንዉ፡ በረኽትኺ እውን ኬፍርሱ እዮም፣+ ክዳውንትኺ ኸኣ ኪገፍፉ፡+ ስልማትኪ ድማ ኪቕንጥጡ፡+ ጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም እውን ኪገድፉኺ እዮም። 40 ኣንጻርኪ ጭፍራ ኼምጽኡን+ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኽን+ ብሰይፊ ኺሓርዱኽን እዮም።+ 41 ኣባይትኺ ብሓዊ ኼንድዱ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ኣባኺ ፍርዲ ኺፍጽሙ እዮም፣ ኣነ ድማ ንምንዝርናኺ መወዳእታ ኽገብረሉ፡+ ክፍሊት ምሃብ እውን ክትሓድግዮ ኢኺ። 42 ሃና ነድረይ ከውጽኣልኪ፡+ ቍጥዓይ እውን ካባኺ ኺምለስ እዩ፣+ ክሃድእ፡ ድሕሪኡ እውን ኣይክዅርን እየ።’ 43 “‘መዓልትታት ንእስነትኪ ስለ ዘይዘከርኪ፡+ እዚ ዅሉ ብምግባር እውን ስለ ዘቘጣዕክኒ፡ ሳዕቤናት መገድታትኪ ኣብ ርእስኺ ኸምጽእ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ድሕሪ ደጊም ድማ ጽያፍክን ኵሉ ፍንፉን ተግባራትክን ኣይክትፍጽምን ኢኺ። 44 “‘እንሆ፡ ኵሉ ዚምስል፡ “ጓል ከም ኣዲኣ!” ኢሉ ምስላ ኺምስለልኪ እዩ።+ 45 ንስኺ ጓል እታ ንሰብኣያን ንደቃን ዝነዓቐት ኣዴኺ ኢኺ። ንስኺ ሓብቲ እተን ንሰብኡተንን ንደቀንን ዝነዓቓ ኣሓትኪ ኢኺ። ኣዴኺ ሔታዊት እያ፣ ኣቦኺ ድማ ኣሞራዊ እዩ።’”+ 46 “‘ዓባይ ሓብትኺ እታ ምስ ኣዋልዳ* ብሰሜንኪ* እትቕመጥ ሰማርያ እያ፣+ ንእሽቶ ሓብትኺ ኸኣ እታ ምስ ኣዋልዳ ብደቡብኪ* እትቕመጥ ሶዶም እያ።+ 47 ብመገድታተን ጥራይ ኣይኰንክን እተመላለስኪ፡ ፍንፉን ተግባራተን እውን ጥራይ ኣይኰንክን ዝሰዓብኪ፣ የግዳስ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዅሉ ተግባራትኪ ኻባታተን ዝገደደ ኢኺ ተበላሺኺ።+ 48 ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ሓብትኺ ሶዶምን ኣዋልዳን ከምቲ ንስኽን ኣዋልድክን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን። 49 እንሆ፡ ስሕተት ሓብትኺ ሶዶም እዚ እዩ ነይሩ፦ ንሳን ኣዋልዳን+ ምኩሓት እየን ነይረን፣+ ብዙሕ ምግብን+ ቅሳነትን ህድኣትን ከኣ ነይርወን፣+ ግናኸ፡ ንውጹዕን ንድኻን ኣይደገፋን።+ 50 ዕቡያት እየን ነይረን፣+ ኣብ ቅድመይ ድማ ፍንፉን ተግባራት ገይረን፣+ ስለዚ፡ ከርሕቐን ነይሩኒ።+ 51 “‘ሰማርያ+ እውን ክንዲ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ብሰንኪ ዅሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኪ ኣሓትኪ ጻድቃን መሲለን ክሳዕ ዚርኣያ፡ ፍንፉን ተግባራትኪ ኻባታተን ኣብዚሕኪ።+ 52 ንተግባር ኣሓትኪ ኸም ቅኑዕ ስለ ዝገበርኪ፡* ውርደትኪ ጹሪ። ካባታተን ዝገደደ ፍንፉን ሓጢኣት ስለ ዝገበርኪ፡ ንሳተን ካባኺ ይጸድቃ። ስለዚ፡ ንኣሓትኪ ጻድቃን መሲለን ከም ዚርኣያ ስለ ዝገበርክየን፡ ሕፈርን ተዋረድን።’ 53 “‘ንምሩኻተን፡ ንምሩኻት ሶዶምን ኣዋልዳን ንምሩኻት ሰማርያን ኣዋልዳን ክእክቦም እየ፣ ምሳታቶም ድማ ንምሩኻትኪ ኽእክቦም እየ፣+ 54 ውርደትኪ ምእንቲ ኽትጾሪ ኸምኡ ኽገብር እየ። በቲ ንዓታተን ብምጽንናዕ ዝገበርክዮ ኸኣ፡ ክትዋረዲ ኢኺ። 55 ኣሓትኪ፡ ሶዶምን ኣዋልዳን ናብ ናይ ቀደመን ኪምለሳ፡ ሰማርያን ኣዋልዳን ናብ ናይ ቀደመን ኪምለሳ እየን፣ ንስኽን ኣዋልድክን ድማ ናብ ናይ ቀደምክን ክትምለሳ ኢኽን።+ 56 ብመዓልቲ ትምክሕትኺ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ ኽትርቋሕ እትበቅዕ እኳ ኣይነበረትን፣ 57 እወ፡ እከይኪ ኸይተቐልዐ ኸምኡ እያ ነይራ።+ ሕጂ፡ ኣዋልድ ሶርያን ጐረባብታን ይጸርፋኺ፡ እተን ኣብ ዙርያኺ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤም+ ከኣ ይንዕቃኺ ኣለዋ። 58 ሳዕቤናት እቲ ጽያፍክን ፍንፉን ተግባራትክን ክትጾሪ ኢኺ’ ይብል የሆዋ።” 59 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ኪዳነይ ብምፍራስኪ ማሕላ ስለ ዝነዓቕኪ፡+ ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ።+ 60 ግናኸ፡ ኣነ ነቲ ብመዓልትታት ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣቶኽዎ ኺዳን ክዝክሮ፡ ምሳኺ ኸኣ ነባሪ ኺዳን ከቕውም እየ።+ 61 ነተን ካባኺ ዚዓብያን ዚንእሳን ኣሓትኪ ኽትቅበሊ ኸለኺ፡ ተግባራትኪ ኽትዝክርን ክትዋረድን ኢኺ፣+ ኣዋልድኪ ኪዀና ድማ ንዓታተን ክህበኪ እየ፣ ሳላ ኺዳንኪ ግና ኣይኰነን።’ 62 “‘ኣነ ኸኣ ምሳኺ ኺዳነይ ከቕውም እየ፣ ንስኺ እውን ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ። 63 ሽዑ፡ እዚ ዅሉ ጌርኪ ኽነስኺ ምስ ተዓረቕኩኺ፡+ ክትዝክርን ብሰንኪ ውርደትኪ ኻብ ሕፍረት እተላዕለ ኣፍኪ ኣይክትከፍትን ኢኺ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 6 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ግበር እሞ ተነበየሎም። 3 ከምዚ እውን በል፦ ‘ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስምዑ፦ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንኣኽራንን ንዅርባታትን ንወሓይዝን ንስንጭሮታትን ከምዚ ይብሎም ኣሎ፦ “እንሆ፡ ኣነ ሰይፊ ኸምጽኣልኩም እየ፣ በረኽትኹም እውን ከጥፍእ እየ። 4 መሰውኢታትኩም ኪፈርስ፡ መሰውኢታት ዕጣንኩም ድማ ኪሰባበር፡+ ንቕቱላትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም* ክድርብዮም እየ።+ 5 ሬሳታት ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም ክድርብዮ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ፋሕ ከብሎ እየ።+ 6 ኣብ ኵሉ እቲ እትቕመጡሉ ቦታታት፡ ከተማታት ኪባድማ፡+ በረኽቲ እውን ኪፈርስን ኪባድምን እዩ።+ መሰውኢታትኩም ኪፈርስን ኪሕምሸሽን፡ እቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ከኣ ኪጠፍኡ፡ መሰውኢታት ዕጣንኩም ድማ ኪቝረጽ፡ ግብርታትኩም ከኣ ኪድምሰስ እዩ። 7 እቶም ቅቱላት ድማ ኣብ ማእከልኩም ኪወድቁ እዮም፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 8 “‘“ግናኸ፡ ኣብ ብዘለዋ ሃገራት ፋሕ ምስ በልኩም፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ኼምልጡ እዮም እሞ፡ ተረፍ ክሓድግ እየ።+ 9 እቶም ዘምለጡ ኸኣ ኣብ መንጎ እቶም ተማሪኾም ዝኸድዎም ኣህዛብ ኪዝክሩኒ እዮም።+ በቲ ኻባይ ዝረሓቐ ጠላም* ልቦምን በተን ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት ብፍትወት* ዚስዕባ ኣዒንቶምን+ ልበይ ከም እተሰብረ ኺፈልጡ እዮም።+ ብዅሉ እከዮምን ፍንፉን ተግባራቶምን ኪሓፍሩን ንዕኡ ኺፍንፍንዎን እዮም።+ 10 ኣነ የሆዋ ምዃነይ፡ እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እተዛረብክዎ ዘረባ ኸኣ ባዶ ኸም ዘይኰነ ኺፈልጡ እዮም።”’+ 11 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኪወድቁ እዮም እሞ፡ ብኣእዳውካ ኣጣቕዕ፡ ብእግርኻ ድማ ዲጕዲጕ ኣብል፡ በቲ ብቤት እስራኤል እተገብረ ዅሉ እከይን ፍንፉን ነገራትን እውን ቈዝም።+ 12 እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብለበዳ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸኣ ብሰይፊ ኺወድቕ፡ ካብዚ ዜምልጥ ዘበለ ተረፍ ድማ ብጥሜት ኪመውት እዩ፣ ኣነ ኸኣ ነድረይ ኣባታቶም ምሉእ ብምሉእ ክፍኑ እየ።+ 13 ቅቱላቶም ኣብ መንጎ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቶምን ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶምን ኣብ ኵሉ በሪኽ ኵርባን ኣብ ኵሉ ርእሲ ኣኽራንን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን ኣብ ትሕቲ እቲ ንጽዩፋት ጣኦታቶም ባህ ኬብሉ ኢሎም ምዑዝ መስዋእቲ* ዜቕርቡሉ ጨናፍር ዓበይቲ ኣእዋምን+ ምስ ተዘርግሑ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 14 ኢደይ ከኣ ኣንጻሮም ክዝርግሕ፡ ነታ ምድሪ ድማ ከባድማ፡ ኵሉ መንበሪታቶም እውን ካብቲ ኣብ ጥቓ ዲብላ ዘሎ በረኻ ዚገድድ ባድም ክገብሮ እየ። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’” 25 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ዓሞናውያን+ ኣቢልካ ምለስ እሞ ኣንጻሮም ተነበ።+ 3 ብዛዕባ ዓሞናውያን ከምዚ በል፦ ‘ቃል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስምዑ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “መቕደሰይ ምስ ረኸሰት፡ ምድሪ እስራኤል ከኣ ምስ ባደመት፡ ቤት ይሁዳ ድማ ናብ ምርኮ ምስ ከዱ፡ ‘ኣሰይ!’ ኢልኪ ኢኺ እሞ፡ 4 ስለዚ፡ ንደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ እህበኪ ኣለኹ። ሰፈራቶም* ኣብ ውሽጥኺ ኺሰርሑ፡ ድንኳናቶም ድማ ኣብ መንጎኺ ኺተኽሉ እዮም። ፍረኺ ኺበልዑ፡ ጸባኺ እውን ኪሰትዩ እዮም። 5 ንራባ+ መጓሰዪ ኣግማል፡ ንምድሪ ዓሞናውያን ከኣ መዕረፊ መጓሰ ኽገብር እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።”’” 6 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ብኣእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፡+ ብኣእጋርካ ድማ ዲጕዲጕ ስለ ዘበልካ፡ ብምድሪ እስራኤል እውን ብኸምዚ ዝበለ ፍጹም ንዕቀት ስለ እተሓጐስካ፡*+ 7 ስለዚ፡ ንኣህዛብ ዘመተ ገይረ ኽህበካስ ኢደይ ናባኻ ኽዝርግሕ እየ። ካብ ህዝብታት ክምንቍሰካ፡ ካብ ሃገራት እውን ከጥፍኣካ እየ።+ ከጽንተካ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኢኻ።’ 8 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሞኣብን+ ሰዒርን፡+ “እንሆ፡ ቤት ይሁዳ ኸም ኵሎም ኣህዛብ እዮም” ስለ ዝበሉ፡ 9 ጐድኒ* ሞኣብ፡ እተን ጽባቐ* ምድሩ ዝዀና ኣብ ወሰኑ ዘለዋ ኸተማታት፡ ማለት ቤት-የሺሞት፡ በዓል-ሜዖን፡ ክሳብ ቂርያታዪም+ ከቃልዕ እየ። 10 ንዕኡ ምስ ዓሞናውያን ብሓንሳእ ንደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽህቦም እየ፣+ ስለዚ፡ ዓሞናውያን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣይኪዝከሩን እዮም።+ 11 ኣብ ሞኣብ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’ 12 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኤዶም ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ሕነ ፈድዩ እዩ፣ ሕነ ብምፍዳዩ ኸኣ ዓብዪ በደል በዲሉ ኣሎ፣+ 13 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፡ ሰብን ማልን ድማ ካብኣ ኽምንቍስ እየ፣ ከባድማ እውን እየ።+ ካብ ቴማን ክሳብ ዴዳን፡ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ 14 ‘ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ ኣብ ኤዶም ሕነ ኽፈዲ እየ።+ ንሳቶም ሕነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ቍጥዓይን ነድረይን ኣብ ኤዶም ኬምጽኡ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’ 15 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሰንኪ እቲ ዘየቋርጽ ጽልኦም፡ ፍልስጥኤማውያን ብኽፍኣት* ሕነ ኺፈድዩን ኬጥፍኡን ደልዮም እዮም።+ 16 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን+ እዝርግሕ ኣለኹ፣ ንክረታውያን+ ከኣ ክምንቍሶም እየ፡ ንዝተረፉ ነበርቲ እቲ ገምገም ባሕሪ+ እውን ከጥፍኦም እየ። 17 ብብርቱዕ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኦም ዓብዪ ሕነ ኽፈዲ እየ፣ ኣባታቶም ሕነይ ምስ ፈደኹ ኸኣ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”’” 33 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦+“‘ኣነ ኣብ ምድሪ ሰይፊ እንተ ኣምጺአ፡+ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ሓደ ሰብ ወሲዶም ሓላዊ እንተ ገይሮም፡ 3 ንሱ ድማ ሰይፊ ናብታ ምድሪ ኺመጽእ እንተ ርእዩ እሞ መለኸት እንተ ነፊሑ፡ ነቶም ህዝቢ እውን እንተ ኣጠንቂቕዎም፡+ 4 ሓደ ኸኣ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ ኽነሱ እንተ ዘይተጠንቂቑ፡+ ሰይፊ መጺኡ ድማ ንህይወቱ እንተ ኣጥፊእዋ፡* ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።+ 5 ደሃይ መለኸት ሰሚዑ ኽነሱስ ኣይተጠንቀቐን። ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፡ ንህይወቱ* መድሓና ነይሩ። 6 “‘እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ መለኸት እንተ ዘይነፊሑ፡+ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቂቕዎም፡ ሰይፊ መጺኡ እውን ንህይወት* ሓደ ኻባታቶም እንተ ኣጥፊእዋ፡ እቲ ሰብ እቲ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብቲ ሓላዊ ኽደልዮ እየ።’*+ 7 “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ፣ ካብ ኣፈይ ቃል ምስ ሰማዕካ፡ ካባይ መጠንቀቕታ ሃቦም።+ 8 ንሓደ እኩይ፡ ‘ኣታ እኩይ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ’ ምስ በልክዎ፡+ ነቲ እኩይ መገዱ ኪቕይር ከተጠንቅቖ ኢልካ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፡ ንሱ እኩይ ብምዃኑ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣+ ደሙ ግና ካባኻ ኽደልዮ እየ። 9 ግናኸ፡ ንሓደ እኩይ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቂቕካዮ እሞ ንሱ ነቲ መገዱ ምቕያር እንተ ኣብዩ፡ ንሱ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣+ ንስኻ ግና ብርግጽ ህይወትካ* ኸተድሕን ኢኻ።+ 10 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ ‘ንስኻትኩምሲ፡ “ዕልወትናን ሓጢኣትናን ከቢዱና ኣሎ፣ የማህምነና እውን ኣሎ።+ ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፧”+ ኢልኩም ኣለኹም’ በሎም። 11 ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “እኩይ መገዱ ቐዪሩ+ ብህይወት ኪነብር እምበር፡+ ብሞት እኩይ ባህ ኣይብለንን እዩ።+ ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ፡ ተመለሱ፣+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይከ እትሞቱ፧”’+ በሎም። 12 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ ኸምዚ በሎም፦ ‘ጻድቕ ምስ ዓለወ፡ ጽድቁ ኣየድሕኖን እዩ፣+ እኩይ ካብ እከዩ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ እከዩ ኣይዕንቅፎን እዩ፣+ ጻድቕ በታ ዚሓጥኣላ መዓልቲ ድማ፡ ሳላ ጽድቁ ብህይወት ኣይነብርን እዩ።+ 13 ንጻድቕ፡ “ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” ምስ በልክዎ፡ ብጽድቁ ተኣሚኑ እንተ በዲሉ፡*+ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ በደል ደኣ ኺመውት እዩ እምበር፡ ካብ ጽድቁስ ሓደ እኳ ኣይኪዝከረሉን እዩ።+ 14 “‘ንእኩይ ድማ፡ “ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ምስ በልክዎ፡ ካብ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡+ 15 እቲ እኩይ ድማ ትሕጃ ዚመልስን+ እተዘምተ ዚኽሕስን+ ከይበደለ ብሕግታት ህይወት ዚመላለስን እንተ ዀይኑ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ ኣይኪመውትን እዩ። 16 ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ብሓደ እኳ ተሓታቲ ኣይኪኸውንን እዩ።*+ ፍትሕን ጽድቅን ብምግባሩ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።’+ 17 “ደቂ ህዝብኻ ግና መገዶም ዘይቅኑዕ ክነሱስ፡ ‘መገዲ የሆዋ ዘይቅኑዕ እዩ’ ኢሎም ኣለዉ። 18 “ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን፡ ብሰሩ ኺመውት እዩ።+ 19 ግናኸ፡ እኩይ ካብ እከዩ እንተ ተመሊሱ እሞ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡ ከምኡ ብምግባሩ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ 20 “ንስኻትኩም ግና፡ ‘መገዲ የሆዋ ዘይቅኑዕ እዩ’ ኢልኩም ኣለኹም።+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድታትኩም ክፈርደኩም እየ።” 21 ኣብ መበል 12 ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ እተማረኽናላ ወርሒ፡ ካብ የሩሳሌም ዘምለጠ ሰብኣይ ናባይ መጸ እሞ፡+ “እታ ኸተማ ተወቒዓ!” በለኒ።+ 22 ኣብታ ቕድሚ እታ እቲ ዘምለጠ ሰብኣይ ዝመጸላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረት፣ እቲ ሰብኣይ ንግሆ ናባይ ቅድሚ ምምጻኡ ድማ፡ ኣፈይ ከፊቱለይ ነበረ። ስለዚ፡ ኣፈይ ተኸፊቱ ነበረ፣ ኣነ እውን ድሕሪኡ ዓባስ ኣይኰንኩን።+ 23 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 24 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነበርቲ እዚ ዑናታት+ እዚ ብዛዕባ ምድሪ እስራኤል፡ ‘ኣብርሃም ሓደ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ነዛ ምድሪ ኸኣ ተረስትይዋ።+ ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፣ እዛ ምድሪ ብርግጽ ርስቲ ጌርካ ተዋሂባትና እያ’ ይብሉ ኣለዉ። 25 “ስለዚ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምግቢ ምስ ደም ትበልዑ፡+ ኣዒንትኹም ናብ ጽዩፋት ጣኦታት* ተልዕሉ፡ ደም እውን ተፍስሱ ኣለኹም።+ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ነዛ ምድሪ እትርስተይዋ፧ 26 ኣብ ሰይፍኹም ተኣሚንኩም ኣለኹም፣+ ፍንፉን ተግባራት ከኣ ትገብሩ ኣለኹም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ሰበይቲ ብጻዩ የርክስ ኣሎ።+ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ነዛ ምድሪ እትርስተይዋ፧”’+ 27 “ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ እቶም ኣብ ዑናታት ዚነብሩ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣብ መሮር ዘለዉ ድማ፡ ምግቢ ገይረ ንኣራዊት ክህቦም እየ፣ ኣብ ዕርድታትን ኣብ በዓትታትን ዘለዉ ኸኣ፡ ብሕማም ኪሞቱ እዮም።+ 28 ነታ ምድሪ ጠሪሰ ኸባድማ እየ፣+ ነቲ ዕቡይ ትምክሕታ ድማ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ዚሓልፎ ዘይብሉ ዀይኑ ኺባድም እዩ።+ 29 ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት፡+ ነታ ምድሪ ጠሪሰ ምስ ኣባደምክዋ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”’ 30 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መናድቕን ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ።+ ንሓድሕዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ ‘ንዑ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ቃል ንስማዕ’ ይባሃሃሉ ኣለዉ። 31 ህዝበይ ኰይኖም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኪቕመጡ፡ ኪዓጕጉ እዮም፣ ቃላትካ ድማ ኪሰምዑ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣይኪገብርዎን እዮም።+ ብኣፎምሲ ኺሽሕጡኻ* እዮም፣ ልቦም ግና ንዘይግቡእ ረብሓ ይስስዕ እዩ። 32 እንሆ፡ ንስኻ ንዓታቶም ከምቲ ብጥዑም ድምጺ እተደርፈ፡ ብኽእለት ብእተወቕዐ በገና ድማ እተሰነየ ደርፊ ፍቕሪ ኢኻ። ቃላትካ ኺሰምዑ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣይኪገብርዎን እዮም። 33 ምስ ተፈጸመ ኸኣ፡—ኪፍጸም ድማ እዩ፡—ኣብ መንጎኦም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።”+ 10 ክጥምት ከለኹ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም ኪሩቤል ዘሎ ጠፈር፡ ትርኢቱ ኸም እምኒ ሰፊሮስ ዝበለ ነገር ኣብ ልዕሊኦም ረኣኹ፣ ትርኢቱ ድማ ዝፋን ይመስል ነበረ።+ 2 ንሱ ኸኣ ነቲ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ፡+ “ኣብ መንጎ እቲ ተንኰርኰርቲ፡+ ኣብ ትሕቲ እቶም ኪሩቤል እቶ፣ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ብኣእዳውካ ጕሁር ጓህሪ+ ሓፊንካ ድማ ናብ ልዕሊ እታ ኸተማ ደርብዮ” በሎ።+ ንሱ ኸኣ እናጠመትኩ ኣተወ። 3 እቲ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ፡ እቶም ኪሩቤል ኣብ የማን እታ ቤት ቈይሞም ነበሩ፣ ደበና ኸኣ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ መልኦ። 4 ክብሪ የሆዋ+ ድማ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዒሉ ናብ ድርኵዂት መእተዊ እታ ቤት ኣበለ፣ እታ ቤት ከኣ በብቝሩብ በቲ ደበና መልአት፣+ እቲ ኣጸድ እውን ብድምቀት ክብሪ የሆዋ መልአ። 5 ደሃይ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ፡ ከምቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ዜስምዖ ደሃይ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኪስማዕ ይኽእል ነበረ።+ 6 ሽዑ፡ ነቲ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ፡ “ካብ መንጎ እቲ ተንኰርኰርቲ፡ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ” ኢሉ ኣዘዞ፣ ንሱ ድማ ኣትዩ ኣብ ጥቓ እቲ መንኰርኰር ደው በለ። 7 ሓደ ኻብቶም ኪሩቤል ከኣ ኢዱ ናብቲ ኣብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ዘርግሐ።+ ገለ ኻብኡ ወሲዱ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኢድ እቲ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ ኣንበሮ፣+ ንሱ እውን ነዚ ወሲዱ ወጸ። 8 እቶም ኪሩቤል ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከም ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም።+ 9 ክጥምት ከለኹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰርኰር፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ሓደ መንኰርኰር ነበረ፣ ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም እምኒ ክሪሶሊት ዜንጸባርቕ ነበረ።+ 10 ትርኢቱ ኸኣ፡ ኣርባዕቲኡ ይመሳሰል ነበረ፣ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። 11 ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ከይተጠውየ ናብቲ ርእሲ ዚቐንዓሉ ቦታ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ከይተጠውየ ብዝዀነ ኻብቲ ኣርባዕተ ኣንፈት ኪኸይድ ይኽእል ነበረ። 12 ኵሉ ሰብነቶምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዅርን ኵሉ እቲ ናይ ኣርባዕቲኦም መንኰራዅርን ብዙርያኡ ኣዒንቲ መሊእዎ ነበረ።+ 13 ነቲ መንኰራዅር ከኣ፡ “ተንኰርኰርቲ!” ኢሉ ዝጽውዖም ድምጺ ሰማዕኩ። 14 ነፍሲ ወከፍ* ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ። እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፡ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፡ እቲ ሳልሳይ ናይ ኣንበሳ ገጽ፡ እቲ ራብዓይ ናይ ንስሪ ገጽ ነበረ።+ 15 እቶም ኪሩቤል ይልዓሉ ነበሩ፡—ንሳቶምሲ እቶም ኣብ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎም ህያዋን ፍጡራት እዮም ነይሮም፡*+— 16 እቶም ኪሩቤል ኪንቀሳቐሱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር ምሳታቶም ይንቀሳቐስ ነበረ፣ እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ ልዕል ኪብሉ ኣኽናፎም ኬልዕሉ ኸለዉ ድማ፡ እቲ መንኰራዅር ካብ ጐድኖም ኣየልግስን ወይ ኣይርሕቕን ነበረ።+ 17 እቲ ኣብቶም ህያዋን ፍጡራት ዚዓዪ መንፈስ* ኣብኡ* እውን ነበረ እሞ፡ ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ደው ይብል ነበረ፣ ካብ ምድሪ ኺልዓሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ምሳታቶም ይልዓል ነበረ። 18 ክብሪ የሆዋ+ ኻብ ልዕሊ እቲ ድርኵዂት ኣፍ ደገ እታ ቤት ነቒሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ቈመ።+ 19 እቶም ኪሩቤል ድማ እናጠመትክዎም ኣኽናፎም ኣልዒሎም ካብ ምድሪ ተላዕሉ። እቲ መንኰራዅር እውን ኪነቕሉ ኸለዉ ኣብ ጥቓኦም ነበረ። ኣብ መእተዊ እቲ ምብራቓዊ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ድማ ደው በሉ፣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።+ 20 እዚኣቶም እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎም ህያዋን ፍጡራት እዮም፣*+ ስለዚ፡ ኪሩቤል ምዃኖም ፈለጥኩ። 21 ኣርባዕቲኦም ኣርባዕተ ገጽ፡ ኣርባዕተ ኽንፊ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ድማ ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም።+ 22 ትርኢት ገጻቶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎ ገጻት ይመስል ነበረ።+ ነፍሲ ወከፎም ትኽ ኢሎም ንቕድሚት ይኸዱ ነበሩ።+ 14 ገለ ኻብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።+ 3 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዞም ሰብኡት እዚኦም ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም* ኪስዕቡ ቘሪጾም፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ ድማ ኣንቢሮም እዮም። እሞኸ በዚኣቶምዶ ኽሕተት እየ፧+ 4 ሕጂ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ እስራኤላዊ ንጽዩፋት ጣኦታቱ ኺስዕብ እንተ ቘሪጹ፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ ድማ እንተ ኣንቢሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ነብዪ ኺሓትት እንተ መጺኡ፡ ከም ብዝሒ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቱ፡ ኣነ የሆዋ ብግቡእ ክምልሰሉ እየ። 5 ኵሎም ካባይ ርሒቖም ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታቶም ከይዶም እዮም እሞ፡ ልቢ ቤት እስራኤል ከሸብር እየ።”’*+ 6 “ስለዚ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ተመለሱ፡ ካብቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ተመለሱ፡ ገጽኩም ካብ ኵሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም ምለሱ።+ 7 ዝዀነ እስራኤላዊ ወይ ኣብ እስራኤል ዚነብር ጓና ርእሱ ኻባይ እንተ ፈልዩ፡ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቱ ኺስዕብ እንተ ቘሪጹ፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ እንተ ኣንቢሩ እሞ፡ ድሕሪኡ ንነብየይ ኪሓትት እንተ መጺኡ፡+ ኣነ የሆዋ ባዕለይ ክምልሰሉ እየ። 8 ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽገብር፡ ምልክት መጠንቀቕታን መመሰልን እውን ክገብሮ እየ፣ ካብ ህዝበይ ድማ ክምንቍሶ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።”’ 9 “‘እቲ ነብዪ ተሓቢሉ ምላሽ እንተ ሂቡ ግና፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዝሓባበልክዎ ኣነ የሆዋ እየ።+ ኣንጻሩ ኢደይ ዘርጊሐ፡ ካብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። 10 በደሎም ከኣ ኪጾሩ እዮም፣ በደል እቲ ሓታቲ፡ ከም በደል እቲ ነብዪ ኪኸውን እዩ፣ 11 ቤት እስራኤል ካባይ ምዅብላል ምእንቲ ኺሓድጉን ብዅሉ ኣበሳኦም ገዛእ ርእሶም ምርካስ ምእንቲ ኺሓድጉን፡ ከምኡ ኽገብር እየ። ንሳቶም ከኣ ህዝበይ ኪዀኑ፡ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 12 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 13 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሃገር ብጥልመት ኣብ ቅድመይ እንተ ሓጢኣ፡ ኢደይ ናብኣ ኽዝርግሕ፡ ቀረብ ምግባ እውን ከጥፍእ እየ፣*+ ኣብኣ ድማ ጥሜት ክሰድድ፡+ ሰብን እንስሳን ከኣ ካብኣ ኽምንቍስ እየ።”+ 14 “‘እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም፡—ኖህን+ ዳንኤልን+ እዮብን፡+—ኣብኣ እኳ እንተ ዚነብሩ፡ ብጽድቆም ርእሶም* ጥራይ መድሓኑ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 15 “‘ወይ ሕሱማት ኣራዊት በታ ሃገር እንተ ዘሕልፍ እሞ፡ ንሳቶም ንህዝባ እንተ ዘህልቑ፡* ብሰሪ እቶም ኣራዊት ከኣ ሓደ እኳ ዘይሓልፋ ባድም እንተ ዚገብርዋ፡+ 16 ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም ኣብኣ እኳ እንተ ዚነብሩ፡ ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ርእሶም ጥራይ መድሓኑ፣ እታ ሃገር እውን ምባደመት።’” 17 “‘ወይ ኣብታ ሃገር ሰይፊ እንተ ዘምጽእ እሞ፡+ “ሰይፊ በታ ሃገር ይሕለፍ” እንተ ዝብል፡ ሰብን እንስሳን ከኣ ካብኣ እንተ ዝምንቍስ፡+ 18 እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም እኳ ኣብኣ እንተ ዚነብሩ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ርእሶም ጥራይ መድሓኑ።’” 19 “‘ወይ ለበዳ ናብታ ሃገር እንተ ዝሰድድ+ እሞ ብምፍሳስ ደም ሰብን እንስሳን ካብኣ ኽምንቍስ ኢለ ነድረይ ኣብኣ እንተ ዝኽዑ፡ 20 ኖህን+ ዳንኤልን+ እዮብን+ እኳ ኣብኣ እንተ ዚነብሩ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ብጽድቆም ርእሶም* ጥራይ መድሓኑ።’”+ 21 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ካብኣ ሰብን እንስሳን ንምምንቋስ፡+ ነቲ ኣርባዕተ መቕጻዕተይ፡*+—ሰይፍን ጥሜትን ሕሱም ኣራዊትን ለበዳን፡+—ናብ የሩሳሌም ምስ ሰደድኩ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 22 ግናኸ፡ ገለ ኣብኣ ዝተረፉ ኣወዳትን ኣዋልድን ኬምልጡ እዮም፣ ኬውጽእዎም ድማ እዮም።+ ናባኻትኩም ከኣ ኪመጹ እዮም፣ መገድታቶምን ተግባራቶምን ምስ ረኣኹም ድማ፡ በቲ ኣብ የሩሳሌም ዘምጻእክዎ መዓት፡ ብዅሉ እቲ ኣብኣ ዝገበርክዎ ነገር፡ ብርግጽ ክትጸናንዑ ኢኹም።’” 23 “‘መገድታቶምን ተግባራቶምን ምስ ረኣኹም፡ ኬጸናንዑኹም እዮም፣ እቲ ንዓኣ ዝገበርክዎ፡ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 43 ሽዑ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ኣፍ ደገ መርሓኒ።+ 2 ኣብኡ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኪመጽእ ረኣኹ፣+ ድምጹ ድማ ከም ደሃይ ብርቱዕ ማያት ነበረ፣+ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።+ 3 እቲ ዝረኣኽዎ ራእይ ከኣ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍኣ ምስ መጻእኩ* ዝረኣኽዎ ራእይ ነበረ፣ ትርኢቱ እውን ከምቲ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኬባር ዝረኣኽዎ ነበረ፣+ ኣነ እውን ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። 4 ሽዑ፡ ክብሪ የሆዋ በቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዘሎ ኣፍ ደገ ኣቢሉ ናብታ ቤተ መቕደስ* ኣተወ።+ 5 መንፈስ ኣልዒሉ ኸኣ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ኣምጽኣኒ፣ እታ ቤተ መቕደስ ብኽብሪ የሆዋ ኸም ዝመልአት ድማ ረኣኹ።+ 6 ካብታ ቤተ መቕደስ ድማ ሓደ ኺዛረበኒ ሰማዕኩ፣ እቲ ሰብኣይ ከኣ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ደው በለ።+ 7 ከምዚ ድማ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚኣ እታ ኣነ ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ንዘለኣለም ዝነብረላ+ ቦታ ዝፋነይን+ ቦታ መርገጽ ኣእጋረይን እያ።+ ቤት እስራኤል፡ ንሳቶምን ነገስታቶምን ነቲ ቕዱስ ስመይ ብመንፈሳዊ ምንዝርናኦምን ብሬሳታት እቶም ዝሞቱ ነገስታቶምን ደጊም ኣይኬርክስዎን እዮም።+ 8 መንደቕ ጥራይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ክሳዕ ዚኸውን፡+ ድርኵዂቶም ኣብ ጥቓ ድርኵዂተይ፡ ልዳቶም ከኣ ኣብ ጥቓ ልዳተይ ብምግባሮም፡ በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርኪሶምዎ እዮም፣ ስለዚ፡ ብቝጥዓይ ኣጽኒተዮም።+ 9 ሕጂ፡ ንመንፈሳዊ ምንዝርናኦምን ንሬሳታት ነገስታቶምን ካባይ የርሕቑ፣ ኣነ ኸኣ ንዘለኣለም ኣብ መንጎኦም ክነብር እየ።+ 10 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ብሰሪ ስሕተቶም ምእንቲ ኺሓፍሩ፡+ ነታ ቤተ መቕደስ ግለጸሎም፡+ ንድፋ ድማ የጽንዕዎ።* 11 ብዅሉ እቲ ዝገበርዎ እንተ ሓፊሮም፡ ንንድፊ እታ ቤተ መቕደስን ንኣሰራርዓኣን ንመውጽኢታታን ንመእተዊታታን ኣፍልጦም።+ ንዅሉ እቲ ንድፋ ምእንቲ ኺሕልውዎን ንሕግታት ምእንቲ ኺፍጽምዎንሲ፡ ኵሉ እቲ ንድፋን ስርዓታታን፡ ንድፋን ሕግታታን ኣርእዮም፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ ጽሓፎ።+ 12 ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ። ብዘሎ እቲ ኣብ ዙርያ ርእሲ እቲ ኸረን ዘሎ ኽሊ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ።+ እንሆ፡ ሕጊ እታ ቤተ መቕደስ እዚ እዩ። 13 “ልክዕ እቲ መሰውኢ ብእመት እዚ እዩ፣+ (ነንእመት ከኣ ሓሓደ ስፍሓት ኢድ ተወሲኽዎ ነበረ)።* እግሩ ሓደ እመት፡ ግፍሑ እውን ሓደ እመት እዩ። ኣብ ዙርያ እቲ ጥርዚ ሓደ ስድሪ* ዝግፍሑ ወሰን ኣሎ። እግሪ እቲ መሰውኢ እዚ እዩ። 14 ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ እግሪ ኽሳብ እቲ ብዙርያ ዘሎ ታሕተዋይ ሕዳግ ክልተ እመት፡ ግፍሑ ድማ ሓደ እመት እዩ። ካብቲ ብዙርያ ዘሎ ንእሽቶ ሕዳግ ክሳብ እቲ ብዙርያ ዘሎ ዓብዪ ሕዳግ ኣርባዕተ እመት፡ ግፍሑ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። 15 እቲ እቶን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት ዝቝመቱ እዩ፣ ካብቲ እቶን መሰውኢ ድማ ንላዕሊ ዚወጽእ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ።+ 16 እቲ እቶን መሰውኢ 12 እመት ዝንውሓቱን 12 እመት ዝግፍሑን ትርብዒት እዩ።+ 17 ኣርባዕተ ሸነኽ እቲ ብዙርያ ዘሎ ሕዳግ 14 እመት ዝንውሓቱን 14 እመት ዝግፍሑን እዩ፣ እቲ ብዙርያ ዘሎ ወሰን ፍርቂ እመት እዩ፣ እግሩ ኸኣ ብዙርያኡ ሓደ እመት እዩ። “እቲ ደረጃታቱ ድማ ናብ ምብራቕ ገጹ እዩ።” 18 ከምዚ ኸኣ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ምእንቲ ኺስዋእን ደም ኣብኡ ምእንቲ ኺንጸግንሲ፡ እቲ መሰውኢ ኺስራሕ ከሎ፡ ነዚ መምርሒ እዚ ስዓብ።’+ 19 “‘ነቶም ኬገልግሉኒ ኢሎም ናባይ ዚቐርቡ ሌዋውያን ካህናት ዘርኢ ጻዶቅ፡+ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ዝራብዕ+ ካብ ከብቲ ሃቦም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 20 ‘ካብ ደሙ ወሲድካ ኣብ ኣርባዕተ ቐርኒ እቲ መሰውእን ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣብ ዙርያ ዘሎ ሕዳግን ኣብ ዙርያ እቲ ወሰንን ክትገብር ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብ ሓጢኣት ከተንጽሆን ከተተዓርቖን ኢኻ።+ 21 ሽዑ፡ ነቲ ዝራብዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብቲ ምዱብ ቦታ እታ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ወጻኢ እታ መቕደስ ምእንቲ ኸተንድዶ፡ ውሰዶ።+ 22 ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ጥዑይ ወጠጦ መስዋእቲ ሓጢኣት ጌርካ ኸተቕርብ ኢኻ፣ ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ካብ ሓጢኣት ዘንጽህዎ ኸኣ፡ ነቲ መሰውኢ ኻብ ሓጢኣት ኬንጽህዎ እዮም።’ 23 “‘ካብ ሓጢኣት ምንጻሁ ምስ ወዳእካ፡ ካብ ከብቲ ሓደ ጥዑይ ዝራብዕ፡ ካብ መጓሰ ድማ ሓደ ጥዑይ ድዑል ኣቕርብ። 24 ናብ የሆዋ ኸኣ ከተቕርቦም ኢኻ፣ እቶም ካህናት ድማ ጨው ኪገብሩሎም፡+ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሮም እውን ንየሆዋ ኬቕርብዎም እዮም። 25 ሸውዓተ መዓልቲ፡ መዓልታዊ መስዋእቲ ሓጢኣት ጌርካ ወጠጦ ኸተቕርብ ኢኻ፣+ ካብ ከብቲ ኸኣ ዝራብዕ፡ ካብ መጓሰ እውን ድዑል ከተቕርብ ኢኻ፣ ኣበር ዘይብሎም* እንስሳታት ከተቕርብ ኢኻ። 26 ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኬተዓርቕዎን ኬጽርይዎን ኪጽምብልዎን እዮም። 27 እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ተፈጸማ፡ በታ ሻምነይቲ መዓልትን+ ብድሕሪኣን፡ እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕብረትኩምን* ኬቕርቡ እዮም፣ ኣነ እውን ብኣኻትኩም ባህ ክብለኒ እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 9 ኣብ ኣእዛነይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ነቶም ነዛ ኸተማ ዚቐጽዑ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጥፍእ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኺመጽእ፡ ጸውዓዮም!” ኢሉ ጨደረ። 2 ሽዱሽተ ሰብኡት፡ ነፍሲ ወከፍ ዚሕምሽሽ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ ኣንፈት እቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ+ ኺመጹ ረኣኹ፣ በፍታ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም* እውን ኣብ ማዕጥቖኡ ዘለዎ ሓደ ሰብኣይ ድማ ኣብ መንጎኦም ነበረ፣ ኣትዮም ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ።+ 3 ሽዑ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል+ ካብቲ ዝዓረፎ፡ ካብ ልዕሊ ኪሩቤል ተላዒሉ ናብ ድርኵዂት እቲ ኣፍ ደገ ቤት ከደ፣+ ንሱ ኸኣ ነቲ በፍታ እተኸድነ፡ ኣብ ማዕጥቖኡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ጸውዖ። 4 የሆዋ ኸኣ፡ “በታ ኸተማ ሕለፍ፡ ብየሩሳሌም ሕለፍ፣ ኣብ ግምባር እቶም በቲ ኣብታ ኸተማ ዚግበር ዘሎ ዅሉ ፍንፉን ነገራት+ እህህ ዚብሉን ዚግዕሩን+ ሰባት ምልክት ግበር” በሎ። 5 ነቶም ካልኦት ድማ እናሰማዕኩ ኸምዚ በሎም፦ “ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ። ዓይንኹም ኣይትደንግጽ፣ ኣይትራሕርሑ እውን።+ 6 ኣረጊትን ጐበዝን ድንግልን ቈልዓን ጠሪስኩም ቅተሉ።+ ምልክት ናብ ዘለዎ ሰብ ግና ኣይትቕረቡ።+ ካብ መቕደሰይ ጀምሩ።”+ ስለዚ፡ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበሩ ዓበይቲ ጀመሩ።+ 7 ንሱ ኸኣ፡ “ነታ ቤት ኣርክስዋ፡ ነቲ ኣጸዳት እውን ብቕቱላት ምልእዎ።+ ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ከኣ ኣብታ ኸተማ ንሰባት ወቕዑ። 8 ኪወቕዕዎም ከለዉ ድማ፡ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፣ ብገጸይ ወዲቐ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ክትክዑ ኸለኻስ፡ ንዅሎም እቶም ተረፍ እስራኤልዶ ኸተጥፍኦም ኢኻ፧” ኢለ ጨራሕኩ።+ 9 ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ስሕተት ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።+ እታ ምድሪ ብምፍሳስ ደም መሊኣ ኣላ፣+ እታ ኸተማ ኸኣ ብብልሽውና መሊኣ ኣላ።+ ንሳቶምሲ፡ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ ሓዲግዋ እዩ፣ የሆዋ ኣይርእን እዩ’ ይብሉ ኣለዉ።+ 10 ኣነ ግና፡ ዓይነይ ኣይክትድንግጽን እያ፣ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ሳዕቤናት መገዶም ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ።” 11 ሽዑ፡ እቲ በፍታ እተኸድነ፡ ኣብ ማዕጥቖኡ እውን ቀርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ፡ “ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገይረ” ኢሉ ቓል ሒዙ ተመልሰ። 27 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጢሮስ ኣልቅሰላ፡+ 3 ንጢሮስ ድማ ከምዚ በላ፦ ‘ኣቲ ኣብ ኣፍ ደገታት ባሕሪ እትቕመጢ፡ኣቲ ኣብ ህዝብታት ብዙሕ ደሴታት እትነግዲ፡እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቲ ጢሮስ፡ ንስኺ ባዕልኺ፡ ‘ኣነ ብጽባቐ ፍጽምቲ እየ’ በልኪ።+ 4 ሃገርኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዩ፣ሃነጽትኺ ንጽባቐኺ ፍጹም ገበርዎ። 5 ንዅሉ ኣልዋሕኪ ብኦም ጽሕዲ* ሰኒር+ ገበርዎ፣ደቐል ኪገብሩልኪ ድማ ካብ ሊባኖስ ቄድሮስ ወሰዱ። 6 መቕዘፊታትኪ ኻብ ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን ገበሩ፣ቅድሚትኪ ኸኣ ካብ ደሴታት ኪቲም+ ብዝመጸ ስኒ ሓርማዝ እተሰለመ ጽሕዲ ቆጵሮስ ነበረ። 7 ካብ ግብጺ ዝመጸ ሕብራዊ በፍታ ድማ ዓለባ ጋንጽላኺ ነበረ፣ኣብ ልዕሊ ባይታኺ ዘሎ ጽላል ከኣ ካብ ደሴታት ኤሊሻ+ ዝመጸ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ነበረ። 8 ነበርቲ ሲዶንን ኣርዋድን+ ቀዘፍትኺ ነበሩ። ኣቲ ጢሮስ፡ እቶም ክኢላታትኪ፡ ባሕረኛታትኪ ነበሩ።+ 9 እቶም ምኩራትን* ክኢላታትን ሰብ ጌባል+ ንመላግቦኺ ለሓሙ።+ ኵለን መራኽብ ባሕርን መርከበኛታትን ሸቐጥ ኪነግዱ ናባኺ መጹ። 10 ሰብ ፋርስን ሉድን ጱጥን+ ኣብ ሰራዊትኪ፡ ተዋጋእትኺ ነበሩ። ዋላቱኦምን ቍራዓት ርእሶምን ኣባኺ ሰቐሉ፣ ግርማ እውን ኣምጽኡልኪ። 11 ኣብ ሰራዊትኪ ዝነበሩ ሰብ ኣርዋድ፡ ኣብ ዙርያ መካበብያኺ ይቘሙ ነበሩ፣ተባዓት ሰባት ድማ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ። ከበብቲ ዋላቱ ኣብ ዙርያ መካበብያኺ ሰቐሉ፣ንጽባቐኺ እውን ፍጹም ገበርዎ። 12 “‘“ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዝነበረኪ፡ ተርሲስ+ ምሳኺ ትነግድ ነበረት።+ ብሩርን ሓጺንን መብሸልን ዓረርን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+ 13 ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ባሮትን+ ኣቕሑ ነሓስን ከኣ ብሸቐጥኪ ይልውጡ ነበሩ። 14 ቤት ቶጋርማ፡+ ኣፍራስን ኣፍራስ ውግእን ኣባቕልን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ። 15 ደቂ ዴዳን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ኣብ ብዙሓት ደሴታት እተስርሕዮም ነጋዶ ነበሩኺ፣ ስኒ ሓርማዝን+ ኣብኖስን ድማ ይግብሩልኪ ነበሩ። 16 ብዙሕ ፍርያት ስለ ዝነበረኪ፡ ኤዶም ምሳኺ ትነግድ ነበረት። ቱርቆይዝን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን ሕብራዊ ጥልፍን ቅጭን ዓለባን ኣዕናቝን* ሮቢኖስን ድማ ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ። 17 “‘“ይሁዳን ምድሪ እስራኤልን ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ስርናይ ሚኒትን+ ብሉጽ ምግብን መዓርን+ ዘይትን በለሳንን+ ከኣ ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+ 18 “‘“ብዙሕ ፍርያትን ኵሉ ሃብትን ስለ ዝነበረኪ፡ ደማስቆ+ ምሳኺ ትነግድ፡ ወይኒ ሔልቦንን ጸምሪ ጻሓርን* ትለዋወጥ ነበረት። 19 ዌዳንን ያዋንን ካብ ኡዛል ከኣ፡ ተቐጥቂጡ ዚስራሕ ሓጺንን ቃስያን* ቃንጫን* ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ። 20 ዴዳን+ ንመወጥሒ ብዚኸውን መረሻታት* ምሳኺ ትነግድ ነበረት። 21 ነቶም ነጋዶ ገንሸላትን* ደዓውልን ድቤላታትን+ ዝነበሩ ኣዕራብን ኵሎም ሹማምንቲ ቄዳርን+ ተስርሕዮም ነበርኪ። 22 ነጋዶ ሳባን ራዕማን+ ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ፣ ኵሉ ዓይነት ብሉጽ ጥዑም ጨናን ክቡራት ኣእማንን ወርቅን ብኣቕሑኺ ይልውጡ ነበሩ።+ 23 ካራንን+ ካኔን ኤደንን+ ነጋዶ ሳባን+ ኣሹርን+ ኪልማድን ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ። 24 ኣብ ዕዳጋኺ ጽቡቕ ክዳውንቲ፡ ካብ ሰማያዊ ፈትልን ሕብራዊ ጥልፍን እተገብረ ባርኖሳት፡ ብምሉኡ ብኣግማድ እተኣስረን ብጽኑዕ እተገብረን ብዙሕ ዝሕብሩ ምንጻፋት ይንገድ ነበረ። 25 መራኽብ ተርሲስ+ ቃፍላይ ሸቐጥኪ ነበራ፣ስለዚ፡ ኣብ ልቢ ባሕሪ መላእክን ተጻዓንክን።* 26 ቀዘፍትኺ ናብ ዚናወጽ ባሕርታት ኣምጽኡኺ፣ንፋስ ምብራቕ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ። 27 ሃብትኽን ኣቕሑኽን ሸቐጥክን መርከበኛታትክን ባሕረኛታትክንእቶም ንመላግቦኺ ዚልሕሙን እቶም ሸቐጥኪ ዚነግዱን+ ኵሎም ተዋጋእትን፡+ —ብዘለዉ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ህዝቢ፡*—ብመዓልቲ ውድቀትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኺጥሕሉ እዮም።+ 28 ባሕረኛታትኪ ምስ ኣእወዩ፡ ገማግም ባሕሪ ኼንቀጥቅጥ እዩ። 29 ኵሎም ቀዘፍትን መርከበኛታትን ባሕረኛታትን ካብ መራኽቦም ኪወርዱ፡ ኣብ ምድሪ እውን ደው ኪብሉ እዮም። 30 ድምጾም ዓው ኣቢሎም ኣምሪሮም ኪበኽዩልኪ እዮም፣+ኣብ ርእሶም ሓመድ ኪንስንሱ፡ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ጠንቀላዕላዕ ኪብሉ እዮም። 31 ርእሶም ኪመልጡ፡ ማቕ ከኣ ኪኽደኑ እዮም፣ብብርቱዕ ዋይዋይታ ኣምሪሮም* ኪበኽዩልኪ እዮም። 32 ኣብ ድጕዓኦም ከምዚ ኢሎም ኬልቅሱልክን ኪቝዝሙልክን እዮም፦ ‘ከም ጢሮስ ኣብ ማእከል ባሕሪ ስቕ ዝበለ መን ኣሎ፧+ 33 ኣቕሑኺ ኻብ ማእከል ባሕሪ ምስ መጸ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ኣጽገብክዮም።+ እቲ ብዙሕ ሃብትኽን ሸቐጥክን ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተሞም።+ 34 ሕጂ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ ኣብ ዓሚቝ ማያት ተሴርኪ ኣለኺ፣+ኵሉ ሸቐጥክን ህዝብኽን ምሳኺ ጥሒሉ ኣሎ።+ 35 ኵሎም ነበርቲ ደሴታት ተገሪሞም ኪጥምቱኺ እዮም፣+ነገስታቶም ከኣ ብራዕዲ ኼንቀጥቅጡ እዮም፡+ ገጾም እውን ኪርበሽ እዩ። 36 ነጋዶ ኣህዛብ በቲ ዝወረደኪ ኼፋጽዩ እዮም። መወዳእታኺ ሃንደበታውን ዜሰክሕን ኪኸውን እዩ፣ንሓዋሩ ድማ ኣይክትህልውን ኢኺ።’”’”+ 47 ሽዑ፡ ናብ መእተዊ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፣+ ቅድሚት እታ ቤተ መቕደስ ናብ ምብራቕ ዜብል እዩ ነይሩ እሞ፡ ኣብኡ ኻብ ትሕቲ ድርኵዂት እታ ቤተ መቕደስ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዚውሕዝ ማይ ረኣኹ።+ እቲ ማይ ካብ ትሕቲ የማናይ ሸነኽ እታ ቤተ መቕደስ፡ ካብ ደቡብ እቲ መሰውኢ ይውሕዝ ነበረ። 2 ሽዑ፡ ብመገዲ እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ+ መሪሑ ኣውጽኣኒ፡ ናብ ወጻኢ ኸኣ ወሰደኒ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል ናይ ወጻኢ ኣፍ ደገ+ እውን ኣዞረኒ፣ ካብ የማናይ ሸነኽ ድማ ማይ ቀስ ኢሉ ይውሕዝ ነበረ። "3 እቲ ሰብኣይ ገመድ መለክዒ ኣብ ኢዱ ሒዙ+ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፡ 1,000 እመት* ለክዐ እሞ በቲ ማይ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማይ እውን ክሳብ ዓካሪቶይ በጽሐ። " "4 ሽዑ፡ ካልእ 1,000 እመት ለክዐ እሞ በቲ ማይ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማይ እውን ክሳብ ኣብራኸይ በጽሐ። ካልእ 1,000 እመት ለክዐ እሞ በቲ ማይ ኣሳገረኒ፣ እቲ ማይ እውን ክሳብ ምሕኵልተይ በጽሐ። " "5 ካልእ 1,000 እመት ምስ ለክዐ፡ እቲ ማይ እናኸድኩ ኽሰግሮ ዘይከኣል ኰነ፣ እቲ ማይሲ ኸይሓምበስካ ኺስገር ዘይከኣል ዓሚቝ፡ ብእግሪ ኺስገር ዘይከኣል ውሒዝ ኰነ። " 6 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዝስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ሽዑ፡ መሪሑ ናብ ገምገም እቲ ውሒዝ መለሰኒ። 7 ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ገምገም እቲ ውሒዝ ብኽልቲኡ ሸነኽ ኣዝዩ ብዙሕ ኣእዋም ምህላዉ ረኣኹ።+ 8 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “እዚ ማይ እዚ ናብ ምብራቓዊ ዞባ ይውሕዝ፡ ናብ ዓራባ*+ ይወርድ፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይኣቱ እዩ። ናብ ባሕሪ+ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ማይ ኪሓዊ እዩ። 9 ኣብቲ እቲ ማያት* ዝወሓዞ ዘበለ፡ ሓሰኽሰኽ ዚብሉ ህያዋን ፍጡራት* ብህይወት ኪነብሩ እዮም። እዚ ማይ እዚ ናብኡ ኺውሕዝ እዩ እሞ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ዓሳታት ኪህልዉ እዮም። እቲ ማይ ባሕሪ ኺሓዊ እዩ፣ እቲ ውሒዝ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ፡ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ። 10 “ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ጥቓኡ ኪቘሙ፡ ካብ ዔን-ገዲ+ ኽሳብ ዔን-ኤግላይም እውን መስጥሒ መርበብ ኪኸውን እዩ። ከም ዓሳታት እቲ ዓብዪ ባሕሪ*+ ኣዝዮም ብዙሓት ዓይነት ዓሳታት ኪህልዉ እዮም። 11 “ዓዘቕትን ረግረግን ኪህልዎ እዩ፣ እዚ ግና ኣይኪሓውን እዩ። ንጨው ደኣ ኺሕደግ እዩ።+ 12 “ኣብ ክልቲኡ ገምገም እቲ ውሒዝ ኵሉ ዓይነት ዚብላዕ ኣእዋም ኪበቍል እዩ። ኣቝጽልቱ ኸኣ ኣይኪጽምሉን፡ ፍሪኡ እውን ኣይኬቋርጽን እዩ። እቲ ንዕኡ ዚኸውን ማይ ካብታ መቕደስ ስለ ዚውሕዝ፡ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ እዩ።+ ፍሪኡ ንምግቢ፡ ኣቝጽልቱ እውን ንፈውሲ ኪኸውን እዩ።”+ 13 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እታ ን12 ነገዳት እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትምድብዋ ሃገር እዚኣ እያ፣ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ግደ ኺረክብ እዩ።+ 14 ክትወርስዋን ማዕረ ብጽሒት ክትቅበሉን ኢኹም።* እዛ ምድሪ እዚኣ ንኣቦታትኩም ክህቦም ምሒለ እየ፣+ ሕጂ ኸኣ ንዓኻትኩም ርስትኹም ክትከውን ተመዲባ* እያ። 15 “ሰሜናዊ ሸነኽ ዶብ እታ ምድሪ እዚ እዩ፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ኣትሒዙ ብመገዲ ሔትሎን+ ናብ ጸዳድን+ 16 ሓማትን+ ቤሮታን+ ሲብራይምን ይበጽሕ፣ እዚ ኣብ መንጎ ሃገር ደማስቆን ሃገር ሓማትን ክሳብ እቲ ኣብ ዶብ ሓውራን+ ዘሎ ሓጸር-ሓቲኮን ዚርከብ እዩ። 17 ስለዚ፡ እቲ ዶብ ካብ ባሕሪ ኽሳብ ሓጻር-ዔኖን+ ኪበጽሕ፡ በቲ ብሰሜን ዘሎ ዶብ ደማስቆን ዶብ ሓማትን+ ኣቢሉ እውን ኪሓልፍ እዩ። እቲ ሰሜናዊ ዶብ እዚ እዩ። 18 “እቲ ምብራቓዊ ዶብ ከኣ ኣብ መንጎ ሓውራንን ደማስቆን ኣብ መንጎ ጊልዓድን+ ምድሪ እስራኤልን ብዮርዳኖስ ይዝርጋሕ። ካብ ዶብ ናብቲ ምብራቓዊ ባሕሪ* ለክዑ። እቲ ምብራቓዊ ዶብ እዚ እዩ። 19 “እቲ ደቡባዊ ዶብ* ድማ ካብ ታማር ናብ ማያት መሪባ-ቃዴስ፡+ ካብኡ እውን ናብቲ ርባን* ናብቲ ዓብዪ ባሕርን+ ኪኸውን እዩ። እቲ ደቡባዊ ዶብ* እዚ እዩ። 20 “ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ከኣ ካብቲ ዶብ ክሳብ እቲ ኣብ መንጽር ለቦ-ሓማት*+ ዘሎ ነቝጣ፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኣሎ። እቲ ምዕራባዊ ዶብ እዚ እዩ።” 21 “ነዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ መንጎኹም፡ ኣብ መንጎ እቶም 12 ነገዳት እስራኤል ተማቐልዋ። 22 ንዓኻትኩምን ነቶም ኣብ መንጎኹም እናነበሩ ውሉዳት ዝወለዱ ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖትን ርስቲ ኽትከውን ተማቐልዋ፣ ንሳቶም ከኣ ከም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ እስራኤላውያን ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ድማ ምሳኻትኩም ርስቲ ኪቕበሉ እዮም። 23 ንጓና ኣብ ሃገር እቲ ዚነብረሉ ነገድ ርስቲ ሃብዎ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 13 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር እቶም ነብያት እስራኤል ተነበ፣+ ነቶም ናይ ርእሶም ትንቢታት ዚምህዙ*+ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ ‘ቃል የሆዋ ስምዑ። 3 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ገለ እኳ ኸይረኣዩስ ናይ ርእሶም መንፈስ ዚስዕቡ ዓያሹ ነብያት ወይለኦም!+ 4 ኣታ እስራኤል፡ ነብያትካ ኣብ መንጎ ዑናታት ከም ዘለዋ ወኻሩ ዀይኖም። 5 ብመዓልቲ የሆዋ፡ እስራኤል ኣብ ውግእ ምእንቲ ኪቐውምሲ፡+ ነቲ ኣብ መካበብያ ዘሎ ፍራስ ምእንቲ ቤት እስራኤል ኢልኩም ዳግም ንምህናጽ ናብኡ ኣይክትከዱን ኢኹም።”+ 6 “እቶም የሆዋ ኸይለኣኾምሲ፡ ‘ቃል የሆዋ’ ዚብሉ፡ ናይ ሓሶት ራእያት ርእዮም፡ ሓሶት እውን ተዛሪቦም እዮም፣ ቃሎም ኪፍጸም ከኣ ተጸብዮም እዮም።+ 7 ኣነ ገለ እኳ ኸይበልኩ፡ ‘ቃል የሆዋ’ ኽትብሉ ኸለኹምሲ፡ ናይ ሓሶት ራእይ ደይኰንኩምን እትርእዩ ዘለኹም፧ ሓሶት ደይኰነንከ እትዛረቡ ዘለኹም፧”’ 8 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ሓሶት ስለ እተዛረብኩም፡ ራእያትኩም ድማ ሓሶት ስለ ዝዀነ፡ ኣነ ኣንጻርኩም እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”+ 9 ኢደይ ኣንጻር እቶም ራእያቶም ሓሶት ዝዀነን ሓሶት ዚዛረቡን ነብያት እያ።+ ንሳቶም ካብቶም መኻፍልቲ ምስጢረይ ኣይኪዀኑን፡ ኣብ መዝገብ ቤት እስራኤል ከኣ ኣይኪጽሓፉን፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ድማ ኣይኪምለሱን እዮም፣ ኣነ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንኩ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ 10 ሰላም ዘየልቦስ፡ “ሰላም ኣሎ!” እናበሉ ንህዝበይ ስለ ዘስሓትዎ እዩ እዚ ዅሉ ዚኸውን።+ ድኹም መከፋፈሊ መንደቕ ምስ ተሃንጸ፡ ብኖራ ይልቕልቕዎ ኣለዉ።’*+ 11 “ነቶም ብኖራ ዚልቕልቑ፡ ኪወድቕ ምዃኑ ንገሮም። ዜዕለቕልቕ ዝናም ኪመጽእ፡ በረድ ኪዘንም፡* ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ከኣ ኬፍርሶ እዩ።+ 12 እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ ድማ፡ ‘እቲ ዝለቕለቕኩምዎ ጸብሪ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧’ ተባሂልኩም ክትሕተቱ ኢኹም።+ 13 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብነድረይ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ብቝጥዓይ ዜዕለቕልቕ ዝናም፡ ብመጥፍኢ ነድረይ ከኣ በረድ ከምጽእ እየ። 14 ነቲ ብኖራ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶ፡ ናብ ምድሪ ድማ ከውድቖ እየ፣ መሰረቱ እውን ኪቕላዕ እዩ። እታ ኸተማ ኽትወድቕ ከላ፡ ኣብ ውሽጣ ኽትጠፍኡ ኢኹም፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’ 15 “‘ኣብቲ መንደቕን ኣብቶም ብኖራ ዚልቕልቕዎን ነድረይ ምሉእ ብምሉእ ምስ ፈኖኽዎ፡ ከምዚ ኽብለኩም እየ፦ “እቲ መንደቕ የሎን፣ እቶም ዝለቕለቕዎ እውን የለዉን።+ 16 እቶም ንየሩሳሌም ዚንበዩላን ሰላም ከየሎስ ራእያት ሰላም ዚርእዩላን ነብያት እስራኤል የለዉን”’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 17 “ንስኻ ኸኣ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብተን ናይ ርእሰን ትንቢታት ዚምህዛ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል እሞ ኣንጻረን ተነበ። 18 ከምዚ በለን፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እተን ህይወት* ሰባት ኪሃድናስ ንዅሉ ቐላጽም መእሰሪታት ዚሰፍያን* ንዅሉ ዓቐን ርእሲ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለአን! ህይወት* ህዝበይ ሃዲንክንሲ፡ ህይወትክንዶ* ኸተድሕና ትፍትና ኣለኽን፧ 19 በቲ ነቶም ሓሶትክን ዚሰምዑ ህዝበይ እተስምዓኦም ሓሶት፡ ነቶም* ኪሞቱ ዘይብሎም እናቐተልክንን ነቶም* ብህይወት ኪነብሩ ዘይብሎም ብህይወት እናኣንበርክንን፡+ ብዕማዅ ስገምን ብርፍራፍ እንጌራን ኣብ መንጎ ህዝበይዶ ተርክሳኒ ኣለኽን፧”’+ 20 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ኣንጻር እቲ ንሰባት* ከም ኣዕዋፍ እትሃድናሉ ዝነበርክን መእሰሪታትክን እየ፣ ካብ ቀላጽምክን ድማ ክቐድዶ እየ፣ ነቶም ከም ኣዕዋፍ ዝሃደንክናኦም ከኣ ክፈትሖም እየ። 21 መጐልበቢታትክን ክቐድዶ፡ ንህዝበይ ድማ ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ፣ ደጊም እውን ሃዲንክን እትሕዛኦም ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።+ 22 ንስኻትክንሲ ንልቢ ጻድቕ፡ ኣነ ጭንቂ* ኸየምጻእኩሉ፡ ብሓሶትክን ኣጃጂኽናኦ ኢኽን፣+ እኩይ ካብ ክፉእ መገዱ ኸይምለስ እሞ ብህይወት ከይነብር ድማ፡ ኣእዳዉ ኣበርቲዕክናኦ ኢኽን።+ 23 ስለዚ፡ ደጊም ናይ ሓሶት ራእያት ኣይክትርእያን፡ ኣይክትጥንቍላን እውን ኢኽን፣+ ንህዝበይ ድማ ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።’” 5 “ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከም መላጸ ላጻዪ ኽትጥቀመሉ በሊሕ ሰይፊ ንዓኻ ውሰድ። ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸ፣ ነቲ ጸጕሪ ኽትመዝኖን ክትመቕሎን ከኣ ሚዛን ውሰድ። 2 መዓልትታት ከበባ ምስ ተፈጸማ፡ ሲሶኡ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ኣንድዶ።+ ሲሶኡ ወሲድካ ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ* ብሰይፊ ውቕዓዮ፣+ ሲሶኡ ኸኣ ንንፋስ ፋሕ ኣብሎ፣ ኣነ እውን ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ ኽመልሕ እየ።+ 3 “ካብኡ ሒደት ዝቝጽሩ ውሰድ እሞ ብዕጻፍ* ክዳንካ ጠቕልሎ። 4 ገለ ኻብኡ ወሲድካ ድማ ናብ ሓዊ ደርብዮን ኣንድዶን። ካብዚ ኸኣ ሓዊ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ኪዝርጋሕ እዩ።+ 5 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዚኣ የሩሳሌም እያ። ሃገራት ኣብ ዙርያኣ ገይረ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣንበርክዋ። 6 ንሳ ግና ካብ ኣህዛብን ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዘለዋ ሃገራትን ዝገደደ እከይ ብምግባር፡ ካብ ፍርድታተይን ሕግታተይን ዓለወት።+ ንሳቶምሲ ፍርድታተይ ነጺጎም እዮም፣ ብሕግታተይ እውን ኣይመላለሱን እዮም።’ 7 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ዝገደደ መሸገርቲ ብምዃንኩምን ብሕግታተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን ፍርድታተይ ስለ ዘይፈጸምኩምን፡ የግዳስ ፍርድታት እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ብምስዓብኩም፡+ 8 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቲ ኸተማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርኪ እየ፣+ ኣብ ማእከልኪ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ ድማ ኣነ ባዕለይ ፍርዲ ኽፍጽም እየ።+ 9 ብሰሪ ዅሉ ፍንፉን ተግባራትኪ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ገይረዮ ዘይፈልጥ፡ ደጊም እውን ዘይገብሮ ነገር ኣባኺ ኽገብር እየ።”+ 10 “‘“ስለዚ፡ ኣብ መንጎኺ ዘለዉ ኣቦታት ንደቆም ኪበልዑ፡+ ደቂ እውን ንኣቦታቶም ኪበልዑ እዮም፣ ኣብ መንጎኺ ፍርዲ ኽፍጽም፡ ካባኺ ዝተረፉ ዅሎም እውን ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ከብሎም እየ።”’+ 11 “‘ስለዚ፡ ብዅሎም ጽዩፋት ጣኦታትክን ብዅሉ ፍንፉን ተግባራትክን ንመቕደሰይ ስለ ዘርከስክዮ፡+ ከምቲ ህያው ዝዀንኩ፡ ኣነ እውን ክድርብየኪ እየ፡* ዓይነይ ከኣ ኣይክትድንግጸልክን እያ፡ ኣነ ድማ ኣይክርሕርሕን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 12 ‘ሲሶኺ ብለበዳ* ኺሞቱ ወይ ኣብ ማእከልኪ ብጥሜት ኪውድኡ እዮም። ሲሶኺ ኸኣ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ ንሲሶኺ ድማ ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ከብሎም እየ፣ ደድሕሪኦም ዚሰጕጎም ሰይፊ እውን ክመልሕ እየ።+ 13 ሽዑ፡ ቍጥዓይ ኪውዳእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎኒ ነድሪ እውን ኪዝሕል፡ ሃናይ እውን ከውጽእ እየ።+ ነድረይ ኣባታቶም ፈንየ ምስ ወዳእኩ፡ ኣነ የሆዋ ንበይነይ ተወፋይነት ብምድላየይ+ ከም እተዛረብኩ ኺፈልጡ እዮም። 14 “‘ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዙርያኺ ዘለዉ ኣህዛብን ኣብ ኣዒንቲ ዅሉ ሓላፍ መገድን፡ ባድምን መጻረፍን ክገብረኪ እየ።+ 15 ብቝጥዓን ብነድርን ብብርቱዕ መቕጻዕትን ኣባኺ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ኣብ ዙርያኺ ንዘለዉ ኣህዛብ መጻረፍን መስተናዓቕን መለበምን መሰክሕን ክትኰኒ ኢኺ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። 16 “‘ከጥፍኦምሲ፡ ዚቐትል ፍላጻታት ጥሜት ክሰድደሎም እየ። እቲ ዝሰድዶ ፍላጻታት ኬጥፍኣኩም እዩ።+ ቀረብ ምግብኹም ብምቍራጽ፡* ነቲ ጥሜት ከግድዶ እየ።+ 17 ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ክሰድደልኩም እየ፣+ ንዓኺ እውን ደቅኺ ኼስእኑኺ እዮም። ለበዳን ምፍሳስ ደምን ኪውሕጠኪ እዩ፣ ሰይፊ እውን ከምጽኣልኪ እየ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።’” 21 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ የሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፣ ኣንጻር እቲ ቕዱስ ቦታታት ኣውጅ፣ ኣንጻር ምድሪ እስራኤል እውን ተነበ። 3 ንምድሪ እስራኤል ከምዚ በላ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣንጻርኪ እየ፣ ሰይፈይ ድማ ካብ ሰገባኣ ኽመልሓ፡+ ካባኺ ኸኣ ጻድቕን እኩይን ክቘርጽ እየ። 4 ጻድቕን እኩይን ካባኺ ስለ ዝቘርጽ፡ ሰይፈይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ደቡብ ክሳብ ሰሜን ዘሎ ስጋ* ምእንቲ ኽትከውን፡ ካብ ሰገባኣ ኽትምላሕ እያ። 5 ኵሎም ሰባት ድማ ኣነ የሆዋ ሰይፈይ ካብ ሰገባኣ ኸም ዝመላሕኩ ኺፈልጡ እዮም። ኣይክትምለስን እውን እያ።”’+ 6 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ራዕራዕ እናበልካ* እህህ በል፣ እወ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣምሪርካ እህህ በል።+ 7 ‘ስለምንታይ ኢኻ እህህ እትብል ዘለኻ፧’ እንተ ኢሎምኻ ኸኣ፡ ‘ብሰሪ ወረ’ በሎም። እዝስ ብርግጽ ኪመጽእ፡ ኵሉ ልቢ ድማ ብፍርሂ ኺመክኽ፡ ኵሉ ኢድ ከኣ ኪለምስ፡ ኵሉ መንፈስ ድማ ኪጕሂ፡ ኵሉ ብርኪ እውን ማይ ኪፈስሶ እዩ።*+ ‘እንሆ፡ ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፣ ኪኸውን ከኣ እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 9 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከምዚ ኢልካ ተነበ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘ሰይፊ! ሰይፊ+ ተሳሒላን ተወልዊላን ኣላ። 10 ብዙሕ ምእንቲ ኽትሓርድ ተሳሒላ ኣላ፣ ከም በርቂ ማሕማሕ ክትብል ተወልዊላ ኣላ’ በል።”’” “እሞኸ ኽንሕጐስዶ ኣይግባእን፧” “‘ከምቲ ንዅሉ ኦም እትገብሮስ፡* ንዘንጊ ወደይ ክትንዕቆ ድያ፧+ 11 “‘ክትውልወልን ብኢድ ክትተሓዝንሲ ኽትውሃብ እያ። እዛ ሰይፊ እዚኣ ኣብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኽትውሃብ፡ ተሳሒላን ተወልዊላን ኣላ።+ 12 “‘ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር ህዝበይ መጺኣ፡ ኣንጻር ኵሎም ሹማምንቲ እስራኤል እውን እያ እሞ፡ ኣእውን ዋይዋይ በልን።+ እዚኣቶም ምስ ህዝበይ ግዳያት እታ ሰይፊ ኪዀኑ እዮም። ስለዚ፡ ብጓሂ ሰለፍካ ውቓዕ። 13 መርመራስ ተገይሩ ኣሎ፣+ እታ ሰይፊ ነቲ ዘንጊ እንተ ንዒቓቶ ደኣ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ንሱ* ኣይኪህሉን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 14 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ ብኣእዳውካ ድማ ኣጣቕዕ፡ ‘ሰይፊ!’ ኢልካ ድማ ሰለስተ ሳዕ ድገም። ንሳ ሰይፊ እቶም ቅቱላት ግዳያት፡ እታ እትኸብቦም ሰይፊ ዓብዪ ማሕረዲ እያ።+ 15 ልቦም ብፍርሂ ኺመክኽ፡+ ብዙሓት ከኣ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማኦም ኪወድቁ እዮም፣ ብሰይፊ ማሕረዲ ኸምጽእ እየ። እወ፡ ከም በርቂ ማሕማሕ ትብል ኣላ፣ ንማሕረዲ እውን ተወልዊላ ኣላ! 16 ናብ የማን ቍረጽ! ናብ ጸጋም ወስ ኣብል! ስሕለትካ ናብ ዘበሎ ኺድ! 17 ኣነ ድማ ብኣእዳወይ ከጣቕዕ፡ ሃና ነድረይ እውን ከውጽእ እየ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።” 19 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን እትመጸሉ ኽልተ መገዲ ዚሕብር ምልክት ግበር። ክልቲኡ ኻብ ሓደ ሃገር ኪወጽእ እዩ፣ ኣብቲ እቲ መገዲ ናብ ክልተ ኸተማ ዚጭንፍረሉ ኸኣ መፈለጥታ* ግበር። 20 እታ ሰይፊ ናብ ራባ+ ናይ ዓሞናውያን እትመጸሉ ሓደ መገዲ ግበር፣ ናብ እተዓርደት የሩሳሌም፡+ ናብ ይሁዳ እትመጸሉ ድማ ካልእ መገዲ ግበር። 21 ንጉስ ባቢሎንሲ ኣብታ እቲ ኽልተ መገዲ ዚጭንፍረላ ቓራና መገዲ፡ ኪጥንቍል ደው ይብል እዩ። ፍላጻታቱ ይነኑ፣ ንጣኦታቱ* ይሓትት፣ ጸላም ከብዲ እውን ይምርምር እዩ። 22 ኣብ የማነይቲ ኢዱ ዘሎ ጥንቈላ፡ መፍረስ መካበብያ ንምድላው፡ ንማሕረዲ ትእዛዝ ንምሃብ፡ ጭድርታ ውግእ ንምድሃይ፡ መፍረስ መካበብያ ኣንጻር ኣፍ ደገታት ንምድላው፡ ዕርዲ ኸበባ ንምዅማር፡ መንደቕ ከበባ ንምህናጽ፡ ናብ የሩሳሌም የመልክት ኣሎ።+ 23 ኣብ ኣዒንቲ እቶም ማሕላ ዝመሓሉሎም* ግና፡ ናይ ሓሶት ጥንቈላ ኺመስል እዩ።+ ንሱ ግና በደሎም ኪዝክሮ፡ ኪሕዞም እውን እዩ።+ 24 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣበሳኹም ብምቕላዕን ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣይን፡ በደልኩም ኣዘኪርኩም ኢኹም። ሕጂ ድማ ስለ እተዘከርኩም፡ ብሓይሊ* ኽትውሰዱ ኢኹም።’ 25 “ግናኸ፡ ኣታ ብኸቢድ ዝቘሰልካ እኩይ ሹም እስራኤል፡+ መዓልትኻ፡ ግዜ እታ ናይ መወዳእታ መቕጻዕትኻ መጺኣ ኣላ። 26 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘መጠምጠምያ ቐንጥጥ፣ ዘውዲ ኣውጽእ።+ እዝስ ከምዚ ዘለዎ ኣይኪቕጽልን እዩ።+ ንትሑት ልዕል ኣብል፣+ ንልዑል ከኣ ኣትሕት።+ 27 ጥፍኣት፡ ጥፍኣት፡ ጥፍኣት ከምጽኣላ እየ። እቲ ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ፡+ ናይ ሓደ እኳ ኣይክትከውንን እያ፣ ኣነ እውን ንዕኡ ኽህቦ እየ።’+ 28 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ዓሞናውያንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል’ ኢልካ ተነበ። ከምዚ በል፦ ‘ሰይፊ! ሰይፊ ንማሕረዲ ተመሊሓ ኣላ፣ ክትውሕጥን ከም በርቂ ማሕማሕ ክትብልን ተወልዊላ ኣላ። 29 ብዛዕባኻ ናይ ሓሶት ራእያትን ናይ ሓሶት ጥንቈላን እኳ እንተሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅቱላት፡* ኣብ ልዕሊ እቶም መዓልቶም፡ ግዜ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቶም ዝመጸቶም እኩያት ክትድርበ ኢኻ። 30 ናብ ሰገባኣ ምለሳ። ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ፡ ኣብ ምድሪ መበቈልካ ኽፈርደካ እየ። 31 ቍጥዓይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዑ እየ። ሓዊ ነድረይ ኡፍ ክብለልካ፡ ኣብ ኢድ እቶም ኢደ ጥበበኛታት ጥፍኣት ዝዀኑ ሕሱማት ሰባት ድማ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።+ 32 ንሓዊ ዚኸውን ነዳዲ ኽትከውን ኢኻ፣+ ደምካ ኣብታ ምድሪ ኺፈስስ እዩ፣ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፡ ደጊም ኣይክትዝከርን ኢኻ።’” 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዕንጨይቲ ተኽሊ ወይንስ ምስ ካልእ ኦም ወይ ምስ ጨንፈር ኣእዋም ዱር ከመይ ኢሉ ይነጻጸር፧ 3 ካብኡ ዚግበር ዘንጊዶ ንስራሕ የገልግል እዩ፧ ኣቕሑ ኪሰቕሉሉኸ ኻብኡዶ ሽንካር ይገብሩ እዮም፧ 4 እንሆ፡ ኪነድድ ኣብ ሓዊ ተደርብዩ ኣሎ፣ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጫፉ ይበልዖ፡ ንማእከሉ እውን የሕርሮ ኣሎ። ድሕርዚኸ ንዝዀነ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ፧ 5 ብምሉኡ ኸሎ እኳ ንገለ ነገር ኣየገልገለን። ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!” 6 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንነበርቲ እስራኤል ከምቲ ብሓዊ ኺነድድ ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ዚርከብ ዕንጨይቲ ተኽሊ ወይኒ ኽገብሮም እየ።+ 7 ገጸይ ናባታቶም ክገብር እየ። ካብ ሓዊ ኣምሊጦም ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። ገጸይ ናባታቶም ምስ ገበርኩ ኸኣ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።’”+ 8 “‘ስለ ዝጠለሙ ድማ፡+ ነታ ምድሪ ኸባድማ እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 22 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነታ ዕዳ ደም ዘለዋ ኸተማ ኽትፈርዳን+ ኵሉ እቲ ፍንፉን ነገራታ ኸተፍልጣን ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧*+ 3 ከምዚ እውን በላ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቲ ግዜኣ ዚመጽእ ዘሎ፡+ ርእሳ ኸተርክስ ድማ ጽዩፋት ጣኦታት* እትገብር፡+ ኣብ ውሽጣ እውን ደም እተፍስስ ከተማ፡+ 4 እቲ ዘፍሰስክዮ ደም በዳሊት ገይሩኪ ኣሎ፣+ እቶም ጽዩፋት ጣኦታትኪ እውን ርኽስቲ ገይሮምኺ ኣለዉ።+ መወዳእታ መዓልትታትኪ ኣቀላጢፍኪ ኣለኺ፣ መወዳእታ ዓመታትኪ እውን መጺኡ ኣሎ። ስለዚ፡ ንኣህዛብ መጻረፊ፡ ንዅለን ሃገራት ከኣ መላገጺ ኽገብረኪ እየ።+ 5 ኣቲ ርኹስ ዝስምክን ብህውከት ዝመላእክን፡ እተን ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዋ ሃገራት ኬላግጻልኪ እየን።+ 6 እንሆ፡ ነፍሲ ወከፍ እቶም ኣብ መንጎኺ ዘለዉ ሹማምንቲ እስራኤል፡ ስልጣኑ ንምፍሳስ ደም ይጥቀመሉ እዩ።+ 7 ኣብ ውሽጥኺ ኸኣ ንኣቦኦምን ንኣዲኦምን ይንዕቁ፡+ ንጓና ይዕምጹ፡ ንዘኽታምን* ንመበለትን ድማ ይገፍዑ እዮም።”’”+ 8 “‘ንመቕደሰይ ትንዕቂ፡ ንሰናብተይ ከኣ ተርክሲ ኢኺ።+ 9 ኣብ ውሽጥኺ፡ ደም ኬፍስሱ ዚሕልኑ ሓመይቲ ኣለዉ።+ ኣብ ውሽጥኺ፡ ኣብ ኣኽራን መስዋእቲ ይበልዑ፣ ኣብ ማእከልኪ እውን ጽያፍ ይገብሩ።+ 10 ኣብ ውሽጥኺ፡ ንዓራት ኣቦኦም የነውሩ፡*+ ብጻግኒኣ ረኺሳ ዘላ ሰበይቲ ድማ ይዕምጹ።+ 11 ኣብ ውሽጥኺ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ፍንፉን ነገር ይገብር፣+ ሓደ ኸኣ ንሰበይቲ ወዱ ብጽያፍ የርክስ፣+ ሓደ ኻልእ እውን ንሓብቱ ጓል ኣቦኡ ይዕምጽ።+ 12 ኣብ ውሽጥኺ፡ ደም ንምፍሳስ ጉቦ ይቕበሉ።+ ብወለድ ወይ ብመኽሰብ ተለቅሒ፡*+ ካብ ብጻይኪ ድማ ገንዘብ ትዝርፊ።+ እወ፡ ጠሪስኪ ረሲዕክኒ ኢኺ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 13 “‘እንሆ፡ ነቲ ብዘይግቡእ ዝረባሕክዮን ነቲ ኣብ ማእከልኪ ዘሎ ምፍሳስ ደምን ፈንፊነ ብኣእዳወይ አጣቕዕ ኣለኹ። 14 እሞኸ በተን ኣብ ልዕሌኺ ስጕምቲ ዝወስደለን መዓልትታት፡ ትብዓትኪ* ኪቕጽል፡ ኣእዳውኪ እውን ኪጸንዕ ድዩ፧+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ፣ ስጕምቲ እውን ክወስድ እየ። 15 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኪ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ክብትነኪ፡+ ንርኽሰትኪ ድማ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።+ 16 ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ከኣ ክትሓስሪ ኢኺ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጢ ኢኺ።’”+ 18 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ከም ዘይጠቅም ሓተላ ብረት ኰይኖምኒ ኣለዉ። ኵላቶም ኣብ እቶን ከም ዘለዉ ነሓስን መብሸልን ሓጺንን ዓረርን እዮም። ሓተላ ብሩር ኰይኖም ኣለዉ።+ 19 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኵላትኩም ከም ዘይጠቅም ሓተላ ብረት ስለ ዝዀንኩም፡+ ኣብ ውሽጢ የሩሳሌም እእክበኩም ኣለኹ። 20 ከምቲ ብሩርን ነሓስን ሓጺንን ዓረርን መብሸልን ሓዊ ምእንቲ ኺንፍሓሉን ምእንቲ ኺመክኽን ኣብ ውሽጢ እቶን ዚእከብ፡ ኣነ ድማ ከምኡ ብቝጥዓይን ብነድረይን ክእክበኩምን ክነፍሓልኩምን ከምክኸኩምን እየ።+ 21 ክእክበኩምን ሓዊ ነድረይ ክነፍሓልኩምን እየ፣+ ኣብ ውሽጣ ኸኣ ክትመክኩ ኢኹም።+ 22 ከምቲ ብሩር ኣብ እቶን ዚመክኽ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ኣብ ውሽጣ ኽትመክኩ ኢኹም፣ ኣነ የሆዋ ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዝኸዓኹ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።’” 23 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 24 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከምዚ በላ፦ ‘ንስኺ ዘይትጸርዪ ወይ ብመዓልቲ ቝጥዓ ዘይዘንመኪ ምድሪ ኢኺ። 25 ነብያታ ኣብ ውሽጣ፡ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዚጓዝም ኣንበሳ፡+ ውዲት ይኣልሙ።+ ሰባት* ይውሕጡ ኣለዉ። መዛግብትን ክቡር ነገራትን ይምንዝዑ። ኣብ ውሽጣ፡ ንብዙሓት መበለታት ገይሮም ኣለዉ። 26 ካህናታ ንሕገይ ይጥሕሱ፡+ ንመቕደሰይ ከኣ የርክሱ ኣለዉ።+ ኣብ መንጎ ቕዱስን ተራን ኣይፈልዩን፣+ ርኹስን ንጹህን እንታይ ምዃኑ ድማ ኣየፍልጡን፣+ ሰናብተይ ምሕላው ከኣ ኣብዮም፣ ኣነ እውን ኣብ መንጎኦም ረኺሰ ኣለኹ። 27 መሳፍንታ ኣብ ማእከላ፡ ግዳይ ከም ዚሰላልዑ ተዃሉ እዮም፣ ደም የፍስሱ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ኺረኽቡ ድማ ሰባት* ይቐትሉ።+ 28 ነብያታ ግና ነቲ ተግባራቶም ብኖራ ለቕሊቖምዎ ኣለዉ። ናይ ሓሶት ራእያት ይርእዩ፡ ናይ ሓሶት ጥንቈላ ኸኣ ይጥንቍሉ፡+ የሆዋ ኸይተዛረበ እውን “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል” ይብሉ። 29 እቶም ህዝቢ እታ ምድሪ ዓሚጾምን ዘሚቶምን እዮም፣+ ንስኡንን ንድኻን ይገፍዑ፡ ንጓና ይዕምጽዎ፡ ፍትሒ እውን ይኸልእዎ።’ 30 “‘ኣነ ድማ ምእንቲ ኸይትጠፍእሲ፡ ነቲ መካበብያ ዚጽግኖ ወይ ምእንቲ እታ ምድሪ ኣብቲ ፍሩስ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ሰብ ካብ መንጎኦም ደልየ ነይረ፣+ ግናኸ፡ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። 31 ስለዚ፡ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ክኽዑ፡ ብሓዊ ነድረይ እውን ከጽንቶም እየ። ሳዕቤናት መገዶም ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 42 ሽዑ፡ ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ናብ ሰሜን መርሓኒ።+ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ኽፉት ቦታ፡+ ብሰሜን እቲ ምስኡ ዝለገበ ህንጻ ዘሎ መረባዕ እቲ መመገቢ ኽፍሊ ኣምጽኣኒ።+ 2 ንውሓቱ ኸኣ ብሰሜናዊ መእተዊ 100 እመት* ነበረ፣ ግፍሑ ድማ 50 እመት ነበረ። 3 ኣብ መንጎ እቲ 20 እመት ዝግፍሑ ናይ ውሽጢ ኣጸድን+ እምኒ እተነጽፎ ባይታ እቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድን ነበረ። መተሓላለፊታቱ ኣብ ሰለስቲኡ ባይታ ሓደ ኣብ መንጽር እቲ ሓደ ነበረ። 4 ኣብ ቅድሚ እቲ መመገቢ ኽፍልታት* 10 እመት ዝግፍሑን 100 እመት ዝንውሓቱን* ውሽጣዊ መገዲ ኣሎ።+ 5 እቲ መተሓላለፊታት ስፍራ ስለ ዝወሰደ፡ ላዕለዋይ መመገቢ ኽፍልታት እቲ ህንጻ፡ ካብቲ ኣብ ታሕተዋይን ኣብ ማእከላይን ባይታ ዘሎ ይጸብብ ነበረ። 6 ሰለስተ ባይታ ዘለዎ እኳ እንተ ዀነስ፡ ከምቲ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድ ዝበለ ኣዕኑድ ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ካብቲ ታሕተዋይን ማእከላይን ባይታ ዚዛይድ ስፍራ ኻብኡ ተወስደ። 7 እቲ ኣብ ጥቓ መመገቢ ኽፍልታት ናብቲ ኻልእ መመገቢ ኽፍልታት ገጹ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ዜብል ናይ ወጻኢ መንደቕ 50 እመት ዝንውሓቱ ነበረ። 8 ከመይሲ፡ ንውሓት እቲ ናብቲ ናይ ኣጸድ ዜብል መመገቢ ኽፍልታት 50 እመት ነበረ፣ እቲ ናብታ መቕደስ ገጹ ዜብል ግና፡ 100 እመት ነበረ። 9 እቲ መመገቢ ኽፍልታት፡ ብሸነኽ ምብራቕ ካብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ናብኡ ዜምርሕ መእተዊ ነበሮ። 10 ኣብ ውሽጢ* እቲ ናብ ምብራቕ ዜብል መንደቕ እቲ ኣጸድ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽፉት ቦታን እቲ ህንጻን እውን መመገቢ ኽፍልታት ነበረ።+ 11 ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ከምቲ ናይተን ሰሜናዊ መመገቢ ኽፍልታት ዝበለ መገዲ ነበረ።+ ንሳተን ድማ ሕደ ንውሓትን ግፍሕን፡ ሕደ መውጽእን ንድፍን ነበረን። መእተዊታተን ከኣ 12 ከም መእተዊታት እተን ናብ ደቡብ ዜብላ መመገቢ ኽፍልታት እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ መገዲ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናብ ምብራቕ ዜብል ምስኡ ዝለገበ መንደቕ፡ ሰብ ዚኣትወሉ መእተዊ ነበረ።+ 13 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “እተን ኣብ ጥቓ ኽፉት ቦታ+ ዘለዋ መመገቢ ኽፍልታት ሰሜንን መመገቢ ኽፍልታት ደቡብን፡ እቶም ናብ የሆዋ ዚቐርቡ ኻህናት ነቲ ቕዱስ ቅዱሳን ዚበልዑለን ቅዱሳት መመገቢ ኽፍልታት እየን።+ እቲ ቦታ ቕዱስ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ቕዱስ ቅዱሳንን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን የንብሩ።+ 14 እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፡ እቲ ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ+ ኸየውጽኡ፡—እዝስ ቅዱስ እዩ፡—ካብታ መቕደስ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኣይውጽኡ። ናብቲ ንህዝቢ እተፈቕደ ቦታታት ምእንቲ ኪቐርቡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ።” 15 ነቲ ውሽጣዊ ቦታ ቤተ መቕደስ* ለኪዑ ምስ ወድአ፡ በቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል መገዲ ኣፍ ደገ ኣውጽኣኒ፣+ ንብዘሎ እቲ ቦታ እውን ለክዖ። 16 ነቲ ምብራቓዊ ሸነኽ ከኣ ብሻምብቆ* መለክዒ ለክዖ። በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ ካብ ሓደ ሸነኽ ክሳብ እቲ ሓደ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ። 17 ነቲ ሰሜናዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ። 18 ነቲ ደቡባዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ። 19 ነቲ ምዕራባዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ። 20 ብኣርባዕቲኡ ሸነኽ ለክዖ። ኣብ መንጎ እቲ ቕዱስን ተራን ንምፍልላይ ከኣ፡+ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱን 500 ሻምብቆ ዝግፍሑን+ መንደቕ ብዙርያኡ ነበሮ።+ 39 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር ጎግ ተነበ፡+ ከምዚ እውን በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ጎግ፡ ርእሲ ሹም* ሜሴክን ቱባልን፡+ ኣነ ኣንጻርካ እየ። 2 ክመልሰካ፡ መሪሐ ድማ ካብ ግሉል ክፋላት ሰሜን ከደይበካ፡+ ናብ ኣኽራን እስራኤል እውን ከምጽኣካ እየ። 3 ንቐስትኻ ኻብ ጸጋመይቲ ኢድካ ኽወቕዖ፡ ንፍላጻታትካ ኸኣ ካብ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ። 4 ንስኻ ምስ ኵሎም ተዋጋእትኻን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ህዝብታትን ኣብ ኣኽራን እስራኤል ክትወድቕ ኢኻ።+ ንዅሉ ዓይነት ኣሞራታትን ንኣራዊት መሮርን ምግቢ ገይረ ኽህበካ እየ።”’+ 5 “‘ኣነ ተዛሪበ ኣለኹ እሞ፡+ ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 6 “‘ኣብ ማጎግን ኣብቶም ኣብ ደሴታት ብደሓን ዚነብሩን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም። 7 ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ከፍልጥ እየ፣ ድሕሪ ደጊም እቲ ቕዱስ ስመይ ኪረክስ ድማ ኣይክፈቅድን እየ፣ ኣህዛብ ከኣ ኣነ የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ+ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።’+ 8 “‘እወ፡ እዚ ይመጽእ ኣሎ፣ ኪግበር እውን እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘እታ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ። 9 ነበርቲ ኸተማታት እስራኤል ኪወጹ፡ ብኣጽዋር፡ ማለት ብንኣሽቱ ዋላቱን* ብዓበይቲ ዋላቱን ብቐስትታትን ብፍላጻታትን ብሻፎታትን* ብሕላሳትን ከኣ ሓዊ ኺኣጕዱ እዮም። ሸውዓተ ዓመት እውን ንዕኡ ሓዊ ንምንዳድ ኪጥቀሙሉ እዮም።+ 10 ነቲ ኣጽዋር፡ ሓዊ ንምንዳድ ኪጥቀሙሉ እዮም እሞ፡ ካብ መሮር ዕንጨይቲ ኣይኬምጽኡን፡ ካብ ዱር እውን ዕንጨይቲ ኣይኪኣርዩን እዮም።’ “‘ነቶም ዝገፈፍዎም ኪገፍፍዎም፡ ነቶም ዚዘምትዎም ዝነበሩ ድማ ኪዘምትዎም እዮም’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 11 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጎግ+ ኣብኡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ስንጭሮ እቶም ብምብራቕ ባሕሪ ዚጕዓዙ፡ መቓብር ክህቦ እየ፣ እዚ ድማ ነቶም ዚሓልፉ ዘበሉ መገዲ ኺዓጽዎም እዩ። ኣብኡ ኸኣ ንጎግን ንዅሉ ጭፍራኡን ኪቐብርዎ፡ ስንጭሮ ሃሞን-ጎግ* እውን ኪብልዎ እዮም።+ 12 ቤት እስራኤል ድማ ነታ ምድሪ ምእንቲ ኼጽርዩስ፡ ንምቕባሮም ሸውዓተ ወርሒ ኺወስደሎም እዩ።+ 13 ኵሉ ህዝቢ እታ ምድሪ ንምቕባሮም ኪዓዪ እዩ፣ እዚ ኸኣ በታ ንርእሰይ ዘኽብረላ መዓልቲ ዝና ኼምጽኣሎም እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 14 “‘ንምድሪ ምእንቲ ኼጽርይዋስ፡ ወትሩ ብእኣ ዚሓልፉን ኣብ ገጽ ምድሪ ዝተረፉ ሬሳታት ዚቐብሩን ሰባት ኪምደቡ እዮም። ሸውዓተ ወርሒ ኼናድዩ እዮም። 15 እቶም በታ ምድሪ ዚሓልፉ ኸኣ ዓጽሚ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ ጥቓኡ ምልክት ኪገብሩ እዮም። ሽዑ፡ እቶም ኪቐብሩ እተመደቡ ኣብ ስንጭሮ ሃሞን-ጎግ ኪቐብርዎ እዮም።+ 16 ኣብኡ ድማ ሃሞና* እትብሃል ከተማ ኽትህሉ እያ። ነታ ምድሪ ኸኣ ኬጽርይዋ እዮም።’+ 17 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንዅለን ዓይነት ኣዕዋፍን ንዅሎም ኣራዊት መሮርን ከምዚ በሎም፦ “ተኣኪብኩም ንዑ። ኣብ ዙርያ እቲ ዘዳልወልኩም ዘለኹ መስዋእተይ፡ ኣብቲ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ዚግበር ዓብዪ መስዋእቲ ተኣከቡ።+ ስጋ ኽትበልዑን ደም ክትሰትዩን ኢኹም።+ 18 ስጋ ጀጋኑ ኽትበልዑ፡ ደም ሹማምንቲ ምድሪ ኽትሰትዩ ኢኹም፣—ንሳቶምሲ ደዓውልን ገንሸላትን* ድቤላታትን ዝራብዓትን፡ ኰታስ ኵላቶም ዝሰብሑ እንስሳታት ባሳን እዮም። 19 ካብቲ ዘዳሎኹልኩም መስዋእቲ፡ ክሳዕ እትጸግቡ ስብሒ ኽትበልዑ፡ ክሳዕ እትሰኽሩ እውን ደም ክትሰትዩ ኢኹም።”’ 20 “‘ኣብ መኣደይ ብኣፍራስን ብሰብ ሰረገላን ብጀጋኑን ብዅሎም ዓይነት ተዋጋእትን ክትጸግቡ ኢኹም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 21 “‘ክብረይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከርኢ፡ ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ነቲ ዝፈጸምክዎ ፍርድን ነቲ ኣባታቶም ዘርኣኽዎ ሓይልን* ኪርእዩ እዮም።+ 22 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ቤት እስራኤል ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 23 ቤት እስራኤል ስለ ዝጠለሙኒ ብሰሪ ስሕተቶም ናብ ምርኮ ኸም ዝኸዱ ኸኣ፡ ኣህዛብ ኪፈልጡ እዮም።+ ስለዚ፡ ገጸይ ሓቢአሎም፡+ ንጸላእቶም ከኣ ኣሕሊፈ ሂበዮም፡+ ኵላቶም እውን ብሰይፊ ወዲቖም። 24 ከም ርኽሰቶምን ከም ኣበሳኦምን ገይረዮም፣ ገጸይ ድማ ሓቢአሎም።’ 25 “ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንምሩኻት ያእቆብ ክመልሶም፡+ ንብዘሎ ቤት እስራኤል ድማ ክምሕሮ እየ፣+ ነቲ ቕዱስ ስመይ ከኣ ብቕንኣት ክከላኸለሉ እየ።*+ 26 ብሰሪ እቲ ዝጠለሙኒ ዅሉ ጥልመት ምስ ተዋረዱ፡+ ኣብ ምድሮም ዜፍርሆም ዘይብሎም ብደሓን ኪነብሩ እዮም።+ 27 ካብ ህዝብታት ምስ መለስክዎምን ካብ ሃገራት ጸላእቶም ምስ ኣከብክዎምን እውን፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ብዙሓት ኣህዛብ ኣብ መንጎኦም ክቕደስ እየ።’+ 28 “‘ኣብ መንጎ ኣህዛብ ናብ ምርኮ ምስ ሰደድክዎም፡ ድሕሪኡ ድማ ካባታቶም ሓደ እኳ ኸየትረፍኩ ናብ ምድሮም ምስ መለስክዎም፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።+ 29 መንፈሰይ ኣብ ቤት እስራኤል ከፍስስ እየ እሞ፡+ ደጊም ገጸይ ኣይክሓብኣሎምን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።” 3 ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ 60 እመት* ዝቝመቱ፡ 6 እመት* ድማ ዝግፍሑ ምስሊ ወርቂ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከኣ ኣቘሞ። 2 ሽዑ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ንራእስታትን ንምስለኔታትን ንሹማምንትን ንኣማኸርትን ንተሓዝቲ መዝገብን ንደያኑን ንፈራዶን ንዅሎም ኣመሓደርቲ ኣውራጃታትን፡ ንመመረቕታ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ኺመጹ፡ ኪእከቡ ለኣኸሎም። 3 ስለዚ፡ እቶም ራእስታትን ምስለኔታትን ሹማምንትን ኣማኸርትን ተሓዝቲ መዝገብን ደያኑን ፈራዶን ኵሎም ኣመሓደርቲ ኣውራጃታትን ንመመረቕታ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ተኣከቡ። ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ድማ ደው በሉ። 4 እቲ ነጋሪ ኣዋጅ ከኣ ከምዚ ኢሉ ብዓውታ ኣወጀ፦ “ኣቱም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን፡ 5 ደሃይ መለኸትን እምብልታን ክራርን መሰንቆን በገናን ሻምብቆን* ኵሉ ኻልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ፍግም ኢልኩም ክትሰግዱሉ ተኣዚዝኩም ኣለኹም። 6 ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ ኸኣ ብኡብኡ ናብ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ።”+ 7 ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝብታት ደሃይ መለኸትን እምብልታን ክራርን መሰንቆን በገናን ኵሉ ኻልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ሰምዑ፡ ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። 8 በቲ ግዜ እቲ፡ ገሊኦም ከለዳውያን ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።* 9 ንሳቶም ከኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር፡ “ኦ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። 10 ኦ ንጉስ፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን ክራርን መሰንቆን በገናን ሻምብቆን* ኵሉ ኻልእ ናውቲ ሙዚቃን ዚሰምዕ ዘበለ ሰብ፡ ነቲ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሉ ኺሰግደሉ፡ ንስኻ ትእዛዝ ሂብካ ኢኻ፣ 11 ፍግም ኢሉ ዘይሰግድ ድማ ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኺድርበ ኣዚዝካ ኢኻ።+ 12 ግናኸ፡ ንኣውራጃ ባቢሎን ኬመሓድሩ ዝሸምካዮም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚብሃሉ ገለ ኣይሁድ ኣለዉ።+ ኦ ንጉስ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ንዓኻ ግዲ የብሎምን። ንኣማልኽትኻ ኣየገልግልዎምን እዮም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂ እውን ምስጋድ ኣብዮም እዮም” በልዎ። 13 ሽዑ፡ ነቡካድነጻር ኣዝዩ ነዲሩ ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ኬምጽእዎም ኣዘዘ። ስለዚ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም። 14 ነቡካድነጻር ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፡ ንኣማልኽተይ ዘይተገልግሉ ምዃንኩምን+ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂ ምስጋድ ምእባይኩምንሲ ሓቂ ድዩ፧ 15 ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን ክራርን መሰንቆን በገናን ሻምብቆን* ኵሉ ኻልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ሰማዕኩም፡ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ፍግም ኢልኩም ክትሰግዱ እንተ ተዳሊኹም፡ ጽቡቕ። ምስጋድ እንተ ኣቢኹም ግና፡ ብኡብኡ ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። ካብ ኣእዳወይ ኬናግፈኩም ዚኽእል ኣምላኽከ መን እዩ፧”+ 16 ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ከኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “ኦ ነቡካድነጻር፡ በዚ ነገር እዚ ምላሽ ክንህበካ ኣየድልየናን እዩ። 17 ኦ ንጉስ፡ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ እነገልግሎ ኣምላኽና ኻብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኼናግፈና፡ ካብ ኢድካ እውን ኬናግፈና ይኽእል እዩ።+ 18 ኦ ንጉስ፡ ዋላ እኳ ኸምኡ እንተ ዘይገይሩ ግና፡ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነገልግሎም ወይ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂ ኸም ዘይንሰግደሉ ኣባኻ ይፈለጥ።”+ 19 ሽዑ፡ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ብሚሳቅን ብዓብድ-ኔጎን ኣመና ነደረ፣ ትርኢት ገጹ እውን ለወጠሎም፣* ነቲ እቶን ድማ ካብቲ ልሙድ ሸውዓተ ዕጽፊ ዝረሰነ ገይሮም ኬጕህርዎ ኣዘዞም። 20 ካብቶም ሰራዊቱ ንገሊኦም ሓያላት ሰባት ከኣ ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ኪኣስርዎምን ኣብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኺድርብይዎምን ኣዘዞም። 21 ስለዚ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ባርኖሳቶምን ቀመውሾምን ቆብዓቶምን ኵሉ ኻልእ ክዳውንቶምን ተኸዲኖም ከለዉ ተኣስሩ፣ ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ድማ ተደርበዩ። 22 እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝበርትዐ፡ እቲ እቶን እውን ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፡ እቶም ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ናብኡ ዘእተውዎም ሰባት በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ተቐትሉ። 23 እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኦም፡ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ግና፡ ብእሱራቶም ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ወደቑ። 24 ሽዑ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ፈርሀ፣ ቀልጢፉ ተንሲኡ እውን ንላዕለዎት ሰበ ስልጣኑ፡ “እቶም ኣሲርና ናብቲ ሓዊ ዝደርበናዮምሲ ሰለስተ ሰባት ደይነበሩን፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉስ፡ “እወ፡ ኦ ንጉስ” ኢሎም መለሱሉ። 25 ንሱ ድማ፡ “እንሆ፡ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት ከይተጐድኡ ኣብ ማእከል እቲ ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ ኣለኹ፣ እቲ ራብዓዮም ከኣ ወዲ ኣማልኽቲ ይመስል” በሎም። 26 ነቡካድነጻር ድማ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ቐሪቡ፡ “ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፡ ኣቱም ገላዉ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡+ ውጹ፡ ናብዚ ንዑ!” በሎም። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ከኣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጹ። 27 እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ራእስታትን ምስለኔታትን ሹማምንትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ንጉስን ድማ፡+ እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነት እዞም ሰባት እዚኦም ጽልዋ* ኸም ዘይነበሮ ረኣዩ፣+ ጸጕሪ ርእሶም እኳ ኣይቃረየን፣ ባርኖሳቶም እውን ኣይተለወጠን፣ አረ ጨና ሓዊ እውን ኣይነበሮምን። 28 ሽዑ፡ ነቡካድነጻር ከምዚ በለ፦ “እቲ መልኣኹ ልኢኹ ንገላዉኡ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይወደስ።+ ንሳቶም ብእኡ ተኣሚኖም ትእዛዝ ንጉስ ጥሒሶም፣ ብዘይካ ንኣምላኾም፡ ንዝዀነ ኣምላኽ ካብ ምግልጋል ወይ ካብ ምስጋድሲ፡ ኪሞቱ* ፍቓደኛታት ነይሮም።+ 29 ከምዚ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ፡ ካብ ዝዀነ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኣንጻር ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ገለ ዚብል፡ ንሱ ኺቈራረጽ፡ ቤቱ እውን ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ* ክትከውን፡ ኣነ ትእዛዝ አውጽእ ኣለኹ።”+ 30 ድሕርዚ፡ ንጉስ ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ክብ ኣበሎም።*+ 7 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ቤልሻጽር+ ንጉስ ባቢሎን፡ ዳንኤል ኣብ ዓራቱ በጥ ኢሉ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረኣየ።+ ሽዑ፡ ነቲ ሕልሚ ጸሓፎ፣+ ነቲ ነገር ብምሉኡ እውን ብዝርዝር መዝገቦ። 2 ዳንኤል ከኣ ከምዚ በለ፦ “ለይቲ ብራእያተይ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ድማ፡ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማያት ነቲ ዓብዪ ባሕሪ የለዓዕልዎ ነበሩ።+ 3 ካብቲ ባሕሪ ኸኣ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት+ ወጹ። 4 “እቲ ቐዳማይ ንኣንበሳ ይመስል ነበረ፣+ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ።+ ኣኽናፉ ኽሳዕ ዚምንቈሳ ኸኣ ጠመትክዎ፣ ካብ ምድሪ ድማ ተላዕለ፡ ከም ሰብ ከኣ ብኽልተ እግሩ ደው ከም ዚብል ተገብረ፣ ልቢ ሰብ እውን ተዋህቦ። 5 “እንሆ ድማ፡ ካልኣይ ንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት።+ ንሱ ብሓደ ጐድኒ ተንስአ፣ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፣ ‘ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ’ ከኣ ተባሂሉ ተነግሮ።+ 6 “ድሕርዚ፡ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዝባኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ካልእ ኣራዊት።+ እቲ ኣራዊት ከኣ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፣+ ኪገዝእ እውን ስልጣን ተዋህቦ። 7 “ድሕርዚ፡ ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ ዜፍርህን ዜሸብርን ኣዝዩ ብርቱዕን ራብዓይ ኣራዊት ድማ ረኣኹ፣ ዓብዪ ኣስናን ሓጺን እውን ነበሮ። ይውሕጥን ይጥሕንን ከኣ ነበረ፣ ነቲ ዝተረፈ እውን ብኣእጋሩ ይረግጾ ነበረ።+ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊት ድማ እተፈልየ ነበረ፣ ዓሰርተ ቐርኒ እውን ነበሮ። 8 ኣነ ኸኣ ነተን ኣቕርንቲ ኸስተብህለለን ከለኹ፡ እንሆ፡ ካልእ ንእሽቶ ቐርኒ+ ኣብ መንጎአን ወጸት፣ ሰለስተ ኻብተን ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኣ ተመንቈሳ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብዛ ቐርኒ እዚኣ ኸም ኣዒንቲ ሰብ ዝበለ ኣዒንትን ብትዕቢት* ዚዛረብ ኣፍን ነበረ።+ 9 “ዝፋናት ክሳዕ ዚንበር እጥምት ነበርኩ፣ እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ+ ድማ ተቐመጠ።+ ክዳኑ ኸኣ ጻዕዳ ኸም ውርጪ፡+ ጸጕሪ ርእሱ እውን ከም ጽሩይ ጸምሪ ነበረ። ዝፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፡ መንኰራዅሩ ድማ ዚነድድ ሓዊ ነበረ።+ 10 ውሒዝ ሓዊ ኸኣ ይውሕዝ፡ ካብ ቅድሚኡ እውን ይወጽእ ነበረ።+ ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ ነበሩ፣ እልፊ ግዜ እልፊ* ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።+ እቲ ቤት ፍርዲ+ ንፍርዲ ተቐመጠ፣ መጻሕፍቲ እውን ተገንጸለ። 11 “ሽዑ፡ ብምኽንያት ደሃይ እታ ቓላት ትዕቢት* እትዛረብ ዝነበረት ቀርኒ እጥምት ነበርኩ፣+ እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዚቕተል ድማ ረኣኹ፣ ስጋኡ ኸኣ ጠፍአ፡ ኪነድድ እውን ንሓዊ ተዋህበ። 12 እቶም ዝተረፉ ኣራዊት ከኣ፡+ ግዝኣቶም ተወስደ፣ ህይወቶም ድማ ንግዜን ንእዋንን ተናውሐ። 13 “ብራእያት ለይቲ እርኢ ነበርኩ፣ እንሆ ድማ፡ ወዲ ሰብ+ ዚመስል ብደበናታት ሰማያት ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ+ ኸኣ ኪኣቱ ተፈቕደሉ፣ ናብ ቅድሚኡ እውን ኣቕረብዎ። 14 ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን+ ክብርን+ መንግስትን ንዕኡ ተዋህቦ።+ ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱ እውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።+ 15 “ኣነ ዳንኤል፡ እቲ ራእያት ርእሰይ ስለ ዘፍርሃኒ፡ መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐ።+ 16 ናብ ሓደ ኻብቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ቐሪበ፡ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ትርጉም እዚ ዅሉ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ መለሰለይ፣ ትርጉም እዚ ነገራት እዚ እውን ኣፍለጠኒ። 17 “‘እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኦም፡+ ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።+ 18 እቶም ናይቲ ልዑል ቅዱሳት+ ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፣+ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለም፡ እወ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ኪወርስዋ እዮም።’+ 19 “ሽዑ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ኵሎም እቶም ካልኦት እተፈልየ ራብዓይ ኣራዊት ክፈልጥ ደለኹ። ንሱ ኣዝዩ ዜፍርህ ነበረ፣ ኣስናን ሓጺንን ኣጽፋር ነሓስን ከኣ ነበሮ፣ ይውሕጥን ይጥሕንን፡ ዝተረፈ እውን ብኣእጋሩ ይረግጽ ነበረ።+ 20 ብዛዕባ እተን ኣብ ርእሱ ዝነበራ ዓሰርተ ቐርንን+ ብዛዕባ እታ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቓ እሞ ዝወጸት ካልእ ቀርንን+ እውን ክፈልጥ ደለኹ። እታ ቐርኒ እቲኣ ድማ ኣዒንትን ትዕቢት* ዚዛረብ ኣፍን ነበራ፣ ትርኢታ እውን ካብ ካልኦት ዝዓበየት ነበረት። 21 “እታ ቐርኒ እቲኣ ምስ ቅዱሳት ክትዋጋእ ከላ ኸኣ እጥምት ነበርኩ፣ ንሳ ድማ ትስዕሮም ነበረት፣+ 22 እወ፡ እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ+ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ነቶም ናይቲ ልዑል ቅዱሳት+ ከኣ ክሳዕ ዚፍረደሎም፡ እቶም ቅዱሳት ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ምድብቲ ግዜ ኽሳዕ እትመጽእ+ ትስዕሮም ነበረት። 23 “ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ ‘ብዛዕባ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፡ ኣብ ምድሪ ራብዐይቲ መንግስቲ ኽትከውን እያ። ንሳ ኻብ ኵለን መንግስትታት እተፈልየት ክትከውን እያ፣ ንዅላ ምድሪ ኸኣ ክትውሕጣን ክትረግጻን ክትጥሕናን እያ።+ 24 እቶም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ፡ ካብታ መንግስቲ እቲኣ ዚትንስኡ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ድሕሪኦም ከኣ፡ ገና ኻልእ ኪትንስእ እዩ፣ ንሱ ድማ ካብቶም ቀዳሞት እተፈልየ ኪኸውን፡ ንሰለስተ ነገስታት እውን ኬዋርዶም እዩ።+ 25 ኣንጻር እቲ ልዑል ቃላት ኪዛረብ፡+ ነቶም ናይቲ ልዑል ቅዱሳት እውን ብቐጻሊ ኼሸግሮም እዩ። ግዜያትን ሕግን ኪልውጥ ከኣ ኪሕልን እዩ፣ ንሳቶም እውን ንግዜን ግዜያትን ፍርቂ ግዜን* ኣብ ኢዱ ኺውሃቡ እዮም።+ 26 ግናኸ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንፍርዲ ተቐመጠ፣ ጠሪሱ ምእንቲ ኺጸንትን ኪጠፍእን ከኣ፡ ግዝኣቱ ኻብኡ ወሰድዎ።+ 27 “‘ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማያት ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤት መንግስትታትን ድማ ነቶም ናይቲ ልዑል ቅዱሳት ዝዀኑ ህዝቢ ተዋህበ።+ መንግስቶም ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፣+ ኵሉ ግዝኣታት እውን ኬገልግሎምን ኪእዘዞምን እዩ።’ 28 “መወዳእታ እቲ ነገር፡ እዚ እዩ። ኣነ ዳንኤል፡ ሓሳባተይ ኣዝዩ ስለ ዘሰምበደኒ፡ ጸማልያ መሰልኩ፣* ነቲ ነገር ግና ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።” 12 “በቲ ግዜ እቲ፡ ሚካኤል፡*+ እቲ ምእንቲ ህዝብኻ* ዚቐውም ዓብዪ መስፍን+ ኪቐውም* እዩ። ህዝቢ ኻብ ዝሃለወሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ ግዜ ጭንቂ ኪኸውን እዩ። በቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ህዝብኻ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ እተረኽበ ዘበለ፡+ ኬምልጥ እዩ።+ 2 ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም እውን ናብ ጸርፍን ናብ ናይ ዘለኣለም ንዕቀትን ኪበራበሩ እዮም። 3 “እቶም ልቦና ዘለዎም ድማ ከም ጠፈር ሰማይ፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ደሚቖም ኪበርሁ እዮም። 4 “ንስኻ ድማ ኣታ ዳንኤል፡ ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ነዚ ቓላት እዚ ምስጢር ጌርካ ሓዞ፣ ነታ መጽሓፍ እውን ሕተማ።+ ብዙሓት ኪዞሩ እዮም፣* ናይ ሓቂ ፍልጠት ከኣ ኪበዝሕ እዩ።”+ 5 ሽዑ፡ ኣነ ዳንኤል ጠመትኩ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ እቲ ሓደ በዚ ገምገም ውሒዝ፡ እቲ ሓደ በቲ ገምገም ውሒዝ ደው ኢሎም ረኣኹ።+ 6 ሽዑ፡ ሓደ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማያት እቲ ውሒዝ ዝነበረ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ፡+ “ክሳዕ መወዳእታ እዚ መስተንክር ነገራት እዝስ ክንደይ ዚኣክል ኪኸውን እዩ፧” በሎ። 7 እቲ ኣብ ልዕሊ ማያት እቲ ውሒዝ ዝነበረ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ ከኣ፡ የማነይቲ ኢዱን ጸጋመይቲ ኢዱን ናብ ሰማያት ኣልዒሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ እናመሓለ፡+ “ንምዱብ ግዜን ምዱብ ግዜያትን ፍርቂ ግዜን* እዩ። ሓይሊ እቲ ቕዱስ ህዝቢ ተሓምሺሹ ምስ ተወድአ፡+ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። 8 ኣነ ድማ ሰማዕኩ፣ ክርዳእ ግና ኣይከኣልኩን።+ ስለዚ፡ “ኦ ጐይታይ፡ መወዳእታ እዚ ነገር እዚ እንታይ እዩ፧” በልክዎ። 9 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ዳንኤል፡ እዚ ቓላት ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ምስጢር ጌርካ ኺትሓዝን ኪሕተምን ስለ ዝዀነ፡ ኪድ ደኣ።+ 10 ብዙሓት ኪጸርዩን ኪጽዕድዉን ኪዅልዑን እዮም።+ እኩያት ከኣ እከይ ኪገብሩ እዮም፣ ካብቶም እኩያትሲ ሓደ እኳ ኣይኪርዳእን እዩ፣ እቶም ልቦና ዘለዎም ግና ኪርድኡ እዮም።+ "11 “ካብቲ እቲ ወትሩ ዚቐርብ*+ እተወገደሉን እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ዝቘመሉን+ ድማ፡ 1,290 መዓልቲ ኪኸውን እዩ። " "12 “እቲ ዚጽበን* ኣብተን 1,335 መዓልቲ ዚበጽሕን ሕጉስ እዩ! " 13 “ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኺድ። ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣብ መወዳእታ መዓልትታት ግና ንዕጫኻ* ኽትትንስእ ኢኻ።”+ 1 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስና ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጺኡ ኸበባ።+ 2 የሆዋ ኸኣ ንዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ምስ ገለ ኻብ ኣቕሑ ቤት* እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ሃቦ፣+ ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ሲንኣር*+ ናብ ቤት* ኣምላኹ ወሰዶ። ነቲ ኣቕሑ ኸኣ ኣብ መዝገብ ኣምላኹ ኣንበሮ።+ 3 ሽዑ፡ ንጉስ ንኣሽፈናዝ እቲ ቐንዲ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቱ፡ ካብ እስራኤላውያን፡ እንተላይ ካብ ዘርኢ ንጉስን ልዑላንን ኬምጽእ ኣዘዞ።+ 4 ንሳቶም ጕድለት ዘይብሎም፡ ጽቡቕ ዝትርኢቶም፡ ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን እተዓደሉ፡+ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ንምግልጋል ድማ ክእለት ዘለዎም መንእሰያት* ኪዀኑ ነበሮም። ንሱ ኸኣ ጽሕፈትን ቋንቋን ከለዳውያን ኪምህሮም ነበሮ። 5 ንጉስ ድማ ካብቲ ጥዑም ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን መዓልታዊ መቝነን መደበሎም። ሰለስተ ዓመት ኪስልጥኑ* ነበሮም፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜ እቲ ኸኣ ናብ ኣገልግሎት ንጉስ ኪኣትዉ ነበሮም። 6 ኣብ መንጎኦም ድማ ካብ ነገድ* ይሁዳ፡ ዳንኤልን*+ ሓናንያን* ሚሻኤልን* ዓዛርያን* ነበሩ።+ 7 እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኸኣ ስማት* ኣውጽኣሎም፣ ንዳንኤል ቤልጥሻጽር፡+ ንሓናንያ ሲድራቅ፡ ንሚሻኤል ሚሳቅ፡ ንዓዛርያ ድማ ዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮም።+ 8 ዳንኤል ግና በቲ ጥዑም ብልዒ ንጉስ ወይ በቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይኒ ኸይረክስ ብልቡ ቘረጸ። ስለዚ፡ ነቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ፡ በዚ መገዲ እዚ ኸይረክስ ፍቓድ ለመኖ። 9 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ሞገስን* ምሕረትን ሃቦ።+ 10 እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ግና ንዳንኤል፡ “እቲ ምግብኹምን መስተኹምን ዝመደበልኩም ጐይታይ ንጉስ የፍርሃኒ እዩ። ትርኢትኩም ካብ ናይ መሳቱኹም መንእሰያት* ከፊኡ እንተ ረኣዮኸ፧ ኣብ ቅድሚ ንጉስ በደለኛ ኽትገብሩኒ* ኢኹም” በሎ። 11 ዳንኤል ግና ነቲ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዝሸሞ ሓላዊ ኸምዚ በሎ፦ 12 “በጃኻ፡ ንገላዉኻ ዓሰርተ መዓልቲ ፈትነና፣ ገለ ዚብላዕ ኣሕምልትን* ዚስተ ማይን ከኣ ሃበና፣ 13 ድሕሪኡ፡ ንትርኢትና ምስ ትርኢት እቶም ጥዑም ብልዒ ንጉስ ዚበልዑ መንእሰያት* ኣወዳድሮ፣ ንገላዉኻ ድማ ከምቲ እትርእዮ ግበረና።” 14 ንሱ ኸኣ ምስቲ ሓሳቦም ተሰማሚዑ ዓሰርተ መዓልቲ ፈተኖም። 15 ኣብ መወዳእታ እተን ዓሰርተ መዓልቲ፡ ካብ ኵሎም እቶም ጥዑም ብልዒ ንጉስ ዚበልዑ ዝነበሩ መንእሰያት* ዝበለጹን ዝጠዓዩን ኰይኖም ተራእዩ።* 16 ስለዚ፡ እቲ ሓላዊ ነቲ ጥዑም ብልዖምን ወይኖምን ሓዲጉ፡ ኣሕምልቲ* ሃቦም። 17 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት* እዚኦም ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ጽሕፈት፡ ፍልጠትን ልቦናን፡ ብተወሳኺ እውን ጥበብ ሃቦም፣ ዳንኤል ከኣ ኵሉ ዓይነት ራእያትን ሕልምታትን ይርዳእ ነበረ።+ 18 ኣብ መወዳእታ እታ ንጉስ ናብኡ ኺኣትዉ ዝመደባ ግዜ፡+ እቲ ኣውራ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣእተዎም። 19 ንጉስ ምስ ተዛረቦም፡ ካብ ኵላቶም ከም ዳንኤልን ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን፣+ ንሳቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ የገልግሉ ነበሩ። 20 ኣብ ኵሉ እቲ ንጉስ ዝሓተቶም ጥበብን ኣእምሮን ዜድልዮ ነገር፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘሎ ግዝኣቱ ዚርከቡ ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን+ ዓሰርተ ሳዕ በሊጾም ረኸቦም። 21 ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ኣብኡ ጸንሐ።+ 8 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስና ንጉስ ቤልሻጽር፡+ ንዓይ ንዳንኤል ድሕሪ እቲ ኣቐዲሙ እተራእየንስ ራእይ ተራእየኒ።+ 2 ራእይ ከኣ ረኣኹ፣ ክጥምት ከለኹ ድማ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ዔላም+ ዘላ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ነበርኩ፣ ነቲ ራእይ ከኣ ረኣኽዎ፣ ኣብ ጥቓ መገዲ ማይ ኡላይ እውን ነበርኩ። 3 ኣዒንተይ ምስ ኣልዓልኩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መገዲ ማይ ደው ዝበለ ድዑል+ ነበረ፣ ክልተ ቐርኒ ድማ ነበሮ።+ እተን ክልተ ቐርኑ ነዋሕቲ ነበራ፣ እታ ሓንቲ ግና ካብታ ሓንቲ ትልዕል ነበረት፣ እታ ዝለዓለት ድማ ደሓር ዝወጸት እያ።+ 4 እቲ ድዑል ከኣ ናብ ምዕራብን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ይፍልስ ነበረ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኪቐውም ዚኽእል ኣራዊት ድማ ኣይነበረን፣ ካብ ሓይሉ* ኼናግፍ ዚኽእል እውን ኣይነበረን።+ ከም ባህ ዝበሎ ገበረ፡ ርእሱ እውን ልዕል ኣበለ። 5 ክጥምት ከለኹ፡ እንሆ፡ ምድሪ ኸይተንከየ ብገጽ ኵላ ምድሪ ዝሓልፍ ድቤላ+ ኻብ ምዕራብ* ይመጽእ ነበረ። እቲ ድቤላ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቐርኒ ነበረቶ።+ 6 ንሱ ድማ ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መገዲ ማይ ደው ኢሉ ዝረኣኽዎ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑል ይመጽእ ነበረ፣ ብሓያል ነድሪ ናብኡ ይጐዪ ነበረ። 7 ናብቲ ድዑል ኪቐርብ ከሎ ኸኣ ረኣኽዎ፣ ብእኡ ድማ ተመሪሩ ነበረ። ነቲ ድዑል ወቒዑ ኸኣ ነተን ክልተ ቐርኑ ሰበረን፣ እቲ ድዑል እውን ኣብ ቅድሚኡ ንምቛም ሓይሊ ኣይነበሮን። ነቲ ድዑል ድማ ናብ ምድሪ ደርበዮን ረገጾን፣ ካብ ሓይሉ* ኼናግፎ ዚኽእል እውን ኣይነበረን። 8 ሽዑ፡ እቲ ድቤላ ርእሱ እምብዛ ልዕል ኣበለ፣ ምስ በርትዐ ግና፡ ብኡብኡ እታ ዓባይ ቀርኒ ተሰብረት። ሽዑ፡ ኣብ ክንዲ እታ ሓንቲ፡ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማያት ኣቢለን ወጻ።+ 9 ካብ ሓንቲአን ድማ ካልእ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት፣ ንሳ ኸኣ ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን* ናብታ ጌጽን* ኣቢላ ኣዝያ ዓበየት።+ 10 ኣዝያ ስለ ዝዓበየት፡ ክሳብ ሰራዊት ሰማያት በጽሐት፣ ገለ ኻብቶም ሰራዊትን ገለ ኻብ ከዋኽብትን ከኣ ናብ ምድሪ ኣውደቐት፡ ረገጸቶም እውን። 11 አረ ኣንጻር እቲ መስፍን ሰራዊት እኳ ርእሳ ልዕል ኣበለት፣ ካብኡ ድማ እቲ ወትሩ ዚቐርብ* ኣርሓቐት፣ እታ ስርትቲ መቕደሱ ኸኣ ፈረሰት።+ 12 ብሰሪ ኣበሳ ድማ ሰራዊት ምስቲ ወትሩ ዚቐርብ* ኣሕሊፍካ ተዋህበ፣ ንሓቂ ኸኣ ናብ ምድሪ ደርበየታ፣ ገበረት ድማ፡ ሰለጣ እውን። 13 ሓደ ቕዱስ ኪዛረብ ከኣ ሰማዕኩ፣ ካልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዚዛረብ፡ “ራእይ እቲ ወትሩ ዚቐርብን* እቲ ዜጥፍእ ኣበሳን፡+ ነታ መቕደስን ነቲ ሰራዊትን ተረገጽቲ ንምግባር ክሳዕ መዓስ እዩ ኪቕጽል፧” በሎ። "14 ንሱ ኸኣ፡ “ክሳዕ 2,300 ምሸትን ንግሆን፣ እታ መቕደስ ከኣ ብርግጽ ናብ ግቡኣ ኽትምለስ እያ” በለኒ። " 15 ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ክጥምቶን ንምርዳኡ ኽፍትንን ከለኹ፡ ሰብ ዚመስል ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ብሃንደበት ረኣኹ። 16 ሽዑ፡ ድምጺ እቲ ሰብ ኣብ ማእከል ኡላይ+ ሰማዕኩ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ገብርኤል፡+ ንዕኡ እቲ ዝረኣዮ ኣረድኣዮ”+ ኢሉ ጨደረ። 17 ስለዚ፡ ናብታ ደው ኢለላ ዝነበርኩ መጸ፣ ምስ መጸ ግና ኣዝየ ተሸቢረ ስለ ዝነበርኩ፡ ብገጸይ ወደቕኩ። ንሱ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ራእይ ንግዜ መወዳእታ ምዃኑ ተረዳእ” በለኒ።+ 18 ንሱ ኺዛረበኒ ኸሎ ግና፡ ገጸይ ናብ ምድሪ ገይረ ኸቢድ ድቃስ ደቀስኩ። ስለዚ፡ ተንከየኒ፡ ኣብታ ደው ኢለላ ዝነበርኩ ቦታ ኸኣ ደው ኣበለኒ።+ 19 ሽዑ፡ ከምዚ በለ፦ “ነቲ ምዱብ ግዜ መወዳእታ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ኵነኔ ዚኸውን አፍልጠካ ኣለኹ።+ 20 “እቲ ዝረኣኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ድዑል፡ ንነገስታት ሜዶንን ፋርስን የመልክት።+ 21 እቲ ጸጓር ድቤላ ድማ ንንጉስ ግሪኽ የመልክት፣+ እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ኸኣ፡ ነቲ ቐዳማይ ንጉስ ተመልክት።+ 22 ብዛዕባ እታ እተሰብረት ቀርኒ፡ ኣብ ክንዳኣ እውን ኣርባዕተ ዝተንስኣ ድማ፡+ ካብ ህዝቡ ኣርባዕተ መንግስትታት ኪትንስኣ እየን፣ ብሓይሊ ግና ኣይኪመዓራረያኦን እየን። 23 “ኣብ መወዳእታ መንግስቶም፡ እቶም ኣበስቲ መስፈሮም ምስ መልኡ ኸኣ፡ ጨካን ዝገጹን ዘይንጹር ዘረባ ዚርዳእን* ንጉስ ኪትንስእ እዩ። 24 ሓይሉ ዓብዪ ኪኸውን እዩ፣ ብሓይሉ ግና ኣይኰነን። ፍልይ ብዝበለ መገዲ፡ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ፣* ኬስልጥን ኪገብርን ድማ እዩ። ንብርቱዓትን ነቶም ህዝቢ ቕዱሳትን ከኣ ኬጥፍኦም እዩ።+ 25 ብተንኰሉ ድማ ምእንቲ ኺሰልጦ ኢሉ ኼታልል እዩ፣ ብልቡ ኸኣ ገዛእ ርእሱ ልዕል ኬብል እዩ፣ ብግዜ ደሓን* እውን ብዙሕ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ። ኣንጻር እቲ መስፍን መሳፍንቲ እኳ ኪቐውም እዩ፣ ብዘይ ኢድ ሰብ ግና ኪስበር እዩ። 26 “እቲ ብዛዕባ ምሸትን ንግሆን ኣብቲ ራእይ እተባህለ ሓቂ እዩ፣ ግናኸ፡ ካብ ሕጂ ንርሑቕ ግዜ እዩ ዜመልክት እሞ፡ ነቲ ራእይ ምስጢር ጌርካ ሓዞ።”+ 27 ኣነ ዳንኤል ከኣ ኣዝየ ደኸምኩ፡ ንገለ መዓልትታት እውን ሓመምኩ።+ ድሕሪኡ፡ ተንሲአ ዕዮ ንጉስ ዓየኹ፣+ በቲ ዝረኣኽዎ ደንዘዝኩ፣ ንዕኡ ኺርድኦ ዚኽእል እውን ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ 11 “ኣነ ኸኣ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ዳርዮስ+ እቲ ሜዶናዊ፡ ከበርትዖን ከጽንዖን* ደው ኢለ። 2 እዚ ሕጂ ዝነግረካ፡ ሓቂ እዩ፦ “እንሆ፡ ኣብ ፋርስ ገና ሰለስተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም፣ እቲ ራብዓይ ድማ ካብ ኵላቶም ዝበዝሐ ሃብቲ ኺድልብ እዩ። ብሃብቱ ምስ በርትዐ ኸኣ፡ ንዅሉ ኣንጻር መንግስቲ ግሪኽ ኬተንስእ እዩ።+ 3 “ሓያል ንጉስ ድማ ኪትንስእን ሰፊሕ ግዝኣት ኪገዝእን+ ከም ባህ ዝበሎ ኺገብርን እዩ። 4 ምስ ተንስአ ግና፡ መንግስቱ ኽትስበር፡ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማያት ከኣ ክትምቀል እያ።+ ግናኸ፡ ንዘርኡ ኣይክትከውንን፡ ከምቲ ንሱ ዝገዝኦ ግዝኣት እውን ኣይክትከውንን እያ፣ ከመይሲ፡ መንግስቱ ኽትምሖን ካብዚኣቶም ናብ ካልኦት ክትሓልፍን እያ። 5 “እቲ ንጉስ ደቡብ፡ ማለት ሓደ ኻብ መሳፍንቱ ድማ ኪብርትዕ እዩ። ሓደ ግና ንዕኡ ኺስዕሮ፡ ካብቲ ናይቲ ሓደ ግዝኣት ዝዓበየ ሰፊሕ ግዝኣት እውን ኪገዝእ እዩ። 6 “ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ሕብረት ኪገብሩ እዮም፣ ጓል እቲ ንጉስ ደቡብ ከኣ ከተሰማምዕ ኢላ ናብቲ ንጉስ ሰሜን ክትመጽእ እያ። ሓይሊ ቕልጽማ ግና ኣይኪጸንዓላን እዩ፣ ንሱን ቅልጽሙን ድማ ኣይኪቐውምን እዩ፣ ንሳን እቶም ዜምጽእዋን እቲ ዝወለዳን እቲ በቲ ግዜያት ዘበርትዓን ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም። 7 ሓደ ኻብ ሱራ ዝወጸ ጠጥዒ ኣብ ቦታኡ ደው ኪብል፡ ናብ ሰራዊት ከኣ ኪመጽእ፡ ኣንጻር ዕርዲ እቲ ንጉስ ሰሜን ድማ ኪመጽእ፡ ኣንጻሮም ከኣ ስጕምቲ ኺወስድን ኪስዕሮምን እዩ። 8 ምስ ኣማልኽቶምን ምስቲ ፍሱስ ምስልታቶምን ምስቲ ተባሃጊ* ኣቕሑ ብሩርን ወርቅን ምስ ምሩኻትን ከኣ ናብ ግብጺ ኺመጽእ እዩ። ንገለ ዓመታት ካብቲ ንጉስ ሰሜን ርሒቑ ደው ኪብል እዩ፣ 9 ንሱ ድማ ኣንጻር መንግስቲ እቲ ንጉስ ደቡብ ኪመጽእ፡ ግናኸ ናብ ምድሩ ኺምለስ እዩ። 10 “ደቁ ኸኣ ንውግእ ኪዳለዉ፡ ብዙሕን ዓብይን ሰራዊት ድማ ኪእክቡ እዮም። ንሱ ኸኣ ብርግጽ ኪግስግስ፡ ከም ውሒዝ እውን ኪድምስስ እዩ። ግናኸ፡ ኪምለስ፡ ክሳዕ ዕርዱ እውን ኪዋጋእ እዩ። 11 “እቲ ንጉስ ደቡብ ከኣ ኪምረር፡ ወጺኡ እውን ምስኡ፡ ማለት ምስቲ ንጉስ ሰሜን ኪዋጋእ እዩ፣ ንሱ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ኬኽትት፡ እቶም ህዝቢ ግና ኣብ ኢድ እቲ ሓደ ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም። 12 እቶም ህዝቢ ኸኣ ኪውሰዱ እዮም። ልቡ ድማ ልዕል ኪብል፡ ኣእላፋት እውን ኬውድቕ እዩ፣ ግናኸ፡ ነዚ ብርታዐኡ ኣይኪጥቀመሉን እዩ። 13 “እቲ ንጉስ ሰሜን ከኣ ኪምለስ፡ ካብቲ ቐዳማይ ዚበዝሑ ህዝቢ እውን ኬኽትት እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ግዜያት፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ምስ ዓብዪ ሰራዊትን ምስ ብዙሕ ጥሪትን ብርግጽ ኪመጽእ እዩ። 14 በቲ ግዜያት እቲ፡ ብዙሓት ኣንጻር እቲ ንጉስ ደቡብ ኪቘሙ እዮም። “ካብ መንጎ ህዝብኻ ድማ ዓመጸኛታት* ነቲ ራእይ ኪፍጽሙ ኺብሉ ኺውሰዱ እዮም፣ ግናኸ፡ ኪዕንቀፉ እዮም። 15 “እቲ ንጉስ ሰሜን ከኣ ኪመጽእ፡ ዕርዲ ኸበባ ኪዅምር፡ ዕርድቲ ኸተማ እውን ኪሕዝ እዩ። ቀላጽም* ደቡብ ድማ ኣይኪቐውምን እዩ፣ ሕሩያቱ እውን ኣይኪቘሙን እዮም፣ ንምቛም እውን ሓይሊ ኣይኪህልዎምን እዩ። 16 እቲ ኣንጻሩ ዚመጽእ ከኣ ባህ ዝበሎ ኺገብር እዩ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚቐውም እውን ሓደ እኳ ኣይኪህሉን እዩ። ኣብታ ምድሪ ጌጽ*+ ደው ኪብል እዩ፣ ናይ ምጽናት ክእለት እውን ኣብ ኢዱ ኪኸውን እዩ። 17 ምስ ምሉእ ሓይሊ መንግስቱ ንምምጻእ ገጹ ኬቕንዕ፡* ምስኡ ድማ ስምምዕ ኪኸውን እዩ፣ ኪገብር እውን እዩ። ብዛዕባ እታ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ፡ ኬጥፍኣ ኪውሃቦ እዩ። ንሳ ኸኣ ኣይክትቀውምን፡ ድሕርዚ እውን ናቱ ኣይክትከውንን እያ። 18 ንሱ ገጹ ናብ ገማግም ባሕሪ ኺመልስ፡ ብዙሓት ድማ ኪሕዝ እዩ። ጸርፉ ምእንቲ ኺተርፍ ከኣ፡ ሓደ ኣዛዚ ጸርፉ ኼትርፎ እዩ። ናብኡ እውን ኪመልሶ እዩ። 19 ሽዑ፡ ገጹ ናብ ዕርድታት ሃገሩ ኺመልስ፡ ኪዕንቀፍን ኪወድቕን፡ ኣይኪርከብን እውን እዩ። 20 “ኣብ ቦታኡ፡ ሓደ በታ ግርምቲ መንግስቲ ኣገዳዲ* ዜሕልፍ ኪትንስእ እዩ፣ ኣብ ሒደት መዓልትታት ከኣ ኪስበር እዩ፣ ግናኸ፡ ብቝጥዓን ብውግእን ኣይኰነን። 21 “ኣብ ቦታኡ ድማ ሓደ ንዑቕ ኪትንስእ እዩ፣ ግርማ እታ መንግስቲ እውን ኣይኪህብዎን እዮም። ብግዜ ደሓን* ከኣ ኪመጽእ፡ ነታ መንግስቲ እውን ብልዝበት* ኪሕዛ እዩ። 22 ብሰሩ ድማ ቀላጽም* ውሒዝ ኪድምሰሱ እዮም፣ ኪስበሩ እውን እዮም፣ መራሒ+ እቲ ኺዳን+ እውን ከምኡ። 23 ብሰንኪ እቲ ምስኡ ዝነበሮም ሕብረት ከኣ፡ ምትላሉ ኪቕጽልን ኪትንስእን ብንእሽቶ ህዝቢ ኺብርትዕን እዩ። 24 ብግዜ ደሓን፡* ናብቲ ሃብታም ክፋል* እቲ ኣውራጃ ኺመጽእ፡ ኣቦታቱን ኣቦታቶምን ዘይገበርዎ ድማ ኪገብር እዩ። ዘመተን ምርኮን ጥሪትን ኣብ መንጎኦም ፋሕ ኬብል እዩ፣ ነተን ዕርድታት ተንኰል ኪሓስብ እዩ፣ እዚ ግና ንግዜኡ እዩ። 25 “ኣንጻር እቲ ንጉስ ደቡብ ከኣ ምስ ዓብዪ ሰራዊት ሓይሉን ልቡን ኬኽትት እዩ፣ እቲ ንጉስ ደቡብ ድማ ምስ ኣዝዩ ዓብይን ብርቱዕን ሰራዊት ንውግእ ኪዳሎ እዩ። ተንኰል ስለ ዚሓስቡሉ ግና፡ ኣይኪቐውምን እዩ። 26 እቶም ጥዑም ብልዑ ዚበልዑ ኸኣ ኬውድቕዎ እዮም። “ሰራዊቱ ድማ፡ ኪድምሰስ* እዩ፣ ብዙሓት እውን ተቐቲሎም ኪወድቁ እዮም። 27 “እዞም ክልተ ነገስታት እዚኦም፡ ልቦም ክፉእ ናብ ምግባር ዘንቀደ ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሚጦም ንሓድሕዶም ሓሶት ኪዛራረቡ እዮም። እቲ መወዳእታ ንምዱብ ግዜ ስለ ዝዀነ ግና፡ ገለ እኳ ኣይኪሰልጥን እዩ።+ 28 “ምስ ብዙሕ ጥሪት ከኣ ናብ ምድሩ ኺምለስ፡ ልቡ እውን ኣንጻር እቲ ቕዱስ ኪዳን ኪኸውን እዩ። ኪገብርን ናብ ምድሩ ኺምለስን እዩ። 29 “በቲ ምዱብ ግዜ፡ ኪምለስ፡ ኣንጻር እቲ ንጉስ ደቡብ ድማ ኪመጽእ እዩ። በቲ ግዜ እቲ ግና፡ ከም ቅድሚኡ ኣይኪኸውንን እዩ፣ 30 ከመይሲ፡ መራኽብ ኪቲም+ ኣንጻሩ ኺመጻ፡ ንሱ እውን ኪዋረድ እዩ። “ኪምለስን ነቲ ቕዱስ ኪዳን ኪዅንኖን*+ ኪገብርን እዩ፣ ኪምለስን ነቶም ነቲ ቕዱስ ኪዳን ዚሓድግዎ ቘላሕታ ኺገብረሎምን እዩ። 31 ካብኡ ዝወጹ ቐላጽም* ከኣ ኪቘሙ እዮም፣ ነታ መቕደስን+ ነቲ ዕርድን ኬርክሱ፡ ነቲ ወትሩ ዚቐርብ* ድማ ኬወግዱ እዮም።+ “ነቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ከኣ ኬቝምዎ እዮም።+ 32 “ነቶም ኣብቲ ኺዳን እከይ ዚገብሩ፡ ብልዙብ ቃላት* ናብ ክሕደት ኪመርሖም እዩ። እቲ ኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ ግና፡ ኪስዕርን ኪገብርን እዩ። 33 እቶም ካብቲ ህዝቢ ልቦና ዘለዎም+ ከኣ ንብዙሓት ኬረድኡ እዮም። ንገለ መዓልትታት ድማ ብሰይፍን ብሃልሃልታን ብምርኮን ብዘመተን ኪዕንቀፉ እዮም። 34 ምስ ተዓንቀፉ ግና፡ ቍሩብ ረድኤት ኪውሃቦም እዩ፣ ብልዙብ ዘረባ* ኸኣ ብዙሓት ኪሓብርዎም እዮም። 35 እዝስ ገና ንምዱብ ግዜ እዩ እሞ፡ ክሳዕ እቲ ግዜ መወዳእታ ብሰንኮም ዕዮ ምዅላዕ ምእንቲ ኺገብር፡ ምጽራይን ምጽዕዳውን+ እውን ምእንቲ ኺግበር፡ ገለ ኻብቶም ልቦና ዘለዎም ኪዕንቀፉ እዮም። 36 “እቲ ንጉስ ከኣ ከም ባህ ዝበሎ ኺገብር፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣምላኽ ከኣ ርእሱ ልዕል ኬብልን ኬዕብን እዩ፣ ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ+ ድማ ዜስደምም ነገር ኪዛረብ እዩ። እቲ እተመደበ ኺፍጸም ስለ ዘለዎ፡ እቲ ዅነኔ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ኪሰልጦ እዩ። 37 ንኣምላኽ ኣቦታቱ ግዲ ኣይኪገብርን እዩ፣ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኼዕቢ እዩ እምበር፡ ንትምኒት ኣንስቲ ወይ ንዝዀነ ኻልእ ኣምላኽ እውን ግዲ ኣይኪገብርን እዩ። 38 ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣምላኽ ዕርድታት፡ ክብሪ ኺህብ እዩ፣ ኣቦታቱ ንዘይፈለጥዎ ኣምላኽ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡራት ኣእማንን ብተባሃጊ* ነገራትን ክብሪ ኺህብ እዩ። 39 ኣንጻር እቲ ኣዝዩ እተዓርደ ዕርድታት ከኣ፡ ምስ ጓና ኣምላኽ ኰይኑ* ኺገብር እዩ። ነቶም ዚቕበልዎ ዓብዪ ኽብሪ ኺህቦም እዩ፣ ኣብ መንጎ ብዙሓት ድማ ከግዝኦም እዩ፣ ነታ ምድሪ ኸኣ ብዋጋ ኺመቓቕላ* እዩ። 40 “ብግዜ መወዳእታ፡ እቲ ንጉስ ደቡብ ምስኡ ኺዳፋእ* እዩ፣ እቲ ንጉስ ሰሜን ድማ ምስ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ብዙሕ መራኽብን ኣንጻሩ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ እዩ፣ ናብተን ሃገራት ከኣ ኪኣቱ፡ ከም ውሒዝ እውን ኪድምስስ እዩ። 41 ናብታ ምድሪ ጌጽ*+ ኪኣቱ፡ ብዙሓት ሃገራት እውን ኪዕንቀፋ እየን። ግናኸ፡ እተን ካብ ኢዱ ዜምልጣ እዚኣተን እየን፦ ኤዶምን ሞኣብን ቀንዲ ኽፋል ዓሞናውያንን። 42 ኣንጻር እዘን ሃገራት ከኣ መመሊሱ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ፣ ምድሪ ግብጺ እውን ኣይከተምልጥን እያ። 43 ኣብ ልዕሊ ሕቡእ መዛግብቲ ወርቅን ብሩርን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ተባሃጊ* ነገራት ግብጽን ድማ ኪገዝእ እዩ። ሊብያውያንን ኢትዮጵያውያንን ከኣ ኣሰሩ ኺስዕቡ እዮም። 44 “ግናኸ፡ ካብ ምብራቕን* ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ወረ ኺርብሾ እዩ፣ ኬጽንትን ንብዙሓት ኬጥፍእን ድማ ብዓብዪ ነድሪ ኺወጽእ እዩ። 45 ንጉሳዊ ድንኳናቱ ኸኣ ኣብ መንጎ እቲ ዓብዪ ባሕርን እቲ ቕዱስ ከረን ጌጽን*+ ኪተክል እዩ፣ ናብ መወዳእታኡ ኺመጽእ፡ ዚረድኦ እውን ኣይኪህሉን እዩ። 2 ነቡካድነጻር ከኣ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ንግስናኡ ሕልምታት ሓለመ፣ ኣመና ስለ እተናወጸ* ድማ፡+ ኪድቅስ ኣይከኣለን። 2 ስለዚ፡ ንጉስ ነቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን፡* ንንጉስ ሕልሙ ኺነግርዎ ኢሉ ኺጽውዑ ኣዘዘ። ንሳቶም ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በሉ።+ 3 ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ሕልሚ ሓሊመስ፡ እንታይ ከም ዝሓለምኩ ኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ፡ ተናዊጸ”* በሎም። 4 እቶም ከለዳውያን ድማ ንንጉስ ብኣራማይስጢ+ ኸምዚ ኢሎም መለሱሉ፦* “ኦ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ንገላዉኻ ሕልምኻ ንገረና፣ ንሕና እውን ትርጉሙ ኽንነግረካ ኢና።” 5 ንጉስ ነቶም ከለዳውያን ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዚ ናይ መወዳእታ ቓለይ እዩ፦ ነቲ ሕልሚ ምስ ትርጉሙ እንተ ዘየፍሊጥኩምኒ፡ ንስኻትኩም ክትቈራረጹ ኢኹም፣ ኣባይትኹም ድማ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ* ኪዀና እየን። 6 ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ነጊርኩምኒ ግና፡ ህያባትን ዓስብን ዓብዪ ኽብርን ክህበኩም እየ።+ ስለዚ፡ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ።” 7 ንሳቶም ድማ ካልኣይ ሳዕ፡ “ንጉስ ንገላዉኡ ሕልሙ ይንገረና፣ ንሕና እውን ትርጉሙ ኽንነግር ኢና” ኢሎም መለሱሉ። 8 ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ናይ መወዳእታ ቓለይ እንታይ ምዃኑ ስለ ዝፈለጥኩም፡ ግዜ ኽትረኽቡ ትደልዩ ኸም ዘለኹም ኣጸቢቐ ፈሊጠኩም ኣለኹ። 9 ነቲ ሕልሚ እንተ ዘየፍሊጥኩምኒ፡ ንዅላትኩም ሓደ መቕጻዕቲ ጥራይ እዩ ዘሎ። ንስኻትኩም ግና እቲ ዅነታት ክሳዕ ዚቕየር፡ ሓሶትን ምትላልን ክትነግሩኒ ተሰማሚዕኩም ኣለኹም። ስለዚ፡ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፣ ትርጉሙ ኽትገልጹ ኸም እትኽእሉ ድማ ክፈልጥ እየ።” 10 እቶም ከለዳውያን ከኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “እዚ ንጉስ ዚሓትቶ ዘሎ ነገር ኪገብር ዚኽእል ሰብ ኣብ ምድሪ* የልቦን፣ ስሒር ካብ ዚገብር ካህን ወይ ካብ ጠያቒ መናፍስቲ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሓተተ ዓብዪ ንጉስ ወይ ሹም የልቦን። 11 እቲ ንጉስ ዚሓትቶ ዘሎ ዜሸግር እዩ፣ ብዘይካ እቶም ኣብ መንጎ መወትቲ* ዘይነብሩ ኣማልኽቲ ኸኣ ንንጉስ እዚ ኺነግሮ ዚኽእል የልቦን።” 12 ሽዑ፡ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጥዐን ነደረን፣ ኵሎም ጥበበኛታት ባቢሎን ኪጠፍኡ እውን ኣዘዘ።+ 13 እቲ ትእዛዝ ምስ ወጸ፡ ነቶም ጥበበኛታት ድማ ኪቐትልዎም ምስ በሉ፡ ንዳንኤልን ንብጾቱን እውን ኪቐትልዎም ደለይዎም። 14 ሽዑ፡ ዳንኤል ነቲ ንጥበበኛታት ባቢሎን ኪቐትሎም ዝወጸ ኣርዮክ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንጉስ፡ ብምስትውዓልን ብጥንቃቐን ተዛረቦ። 15 ንኣርዮክ እቲ ናይ ንጉስ ብዓል ስልጣን ድማ፡ “ስለምንታይ እዩ ኻብ ንጉስ እዚ ብርቱዕ ትእዛዝ ዝወጸ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣርዮክ ከኣ ንዳንኤል ብዛዕባ እቲ ነገር ሓበሮ።+ 16 ስለዚ፡ ዳንኤል ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቲ ትርጉም ንንጉስ ኪነግሮስ፡ ግዜ ኺህቦ ለመኖ። 17 ሽዑ፡ ዳንኤል ናብ ቤቱ ኸደ፣ ንብጾቱ ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ከኣ ብዛዕባ እቲ ነገር ሓበሮም። 18 ዳንኤልን ብጾቱን ምስ ዝተረፉ ጥበበኛታት ባቢሎን ከይጠፍኡስ፡ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ጸልዮም ምሕረት ኪልምኑ ሓተቶም። 19 ሽዑ፡ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገልጸሉ።+ ስለዚ፡ ዳንኤል ንኣምላኽ ሰማይ ወደሶ። 20 ዳንኤል ድማ ከምዚ በለ፦ “ጥበብን ሓይልን ናቱ ጥራይ እዩ እሞ፡+ስም ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም* ይወደስ። 21 ንሱ ግዜያትን እዋናትን ይለዋውጥ፣+ነገስታት የልግስ፡ ነገስታት እውን የቕውም፣+ንጥበበኛታት ጥበብን ፍልጠትን ምስትውዓልን ይህቦም።+ 22 ንሱ ዓሚቝን ሕቡእን ነገራት ይገልጽ፣+እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፣+ምስኡ ኸኣ ብርሃን ይነብር።+ 23 ኦ ኣምላኽ ኣቦታተይ፡ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሃብካኒ፡ንዓኻ አመስግነካን እውድሰካን ኣለኹ። ሕጂ ድማ እቲ ዝለመንናካ ኣፍሊጥካኒ ኣለኻ፣ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካና ኣለኻ።”+ 24 ሽዑ፡ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስ ንጥበበኛታት ባቢሎን ኬጥፍእ ዝሸሞ ኣርዮክ ከይዱ፡+ “ንጥበበኛታት ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም። ናብ ንጉስ ውሰደኒ፣ ንንጉስ እውን እቲ ትርጉም ክነግሮ እየ” በሎ። 25 ኣርዮክ ከኣ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ቅድሚ ንጉስ ወሲዱ፡ “ካብቶም ምሩኻት ይሁዳ+ ንንጉስ እቲ ትርጉም ኬፍልጥ ዚኽእል ሰብኣይ ረኺበ” በሎ። 26 ንጉስ ድማ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፡+ “ነቲ ዝረኣኽዎ ሕልምን ትርጉሙን ብሓቂዶ ኸተፍልጠኒ ትኽእል ኢኻ፧” በሎ።+ 27 ዳንኤል ከኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ካብቶም ጥበበኛታት፡ ጠየቕቲ መናፍስቲ፡ ስሒር ዚገብሩ ኻህናት፡ ወይ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ፡ ንንጉስ ነቲ ዚሓትቶ ዘሎ ምስጢር ኪነግሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።+ 28 ግናኸ፡ ገላጽ ምስጢራት ዝዀነ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ኣሎ፣+ ንሱ ድማ ንንጉስ ነቡካድነጻር፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍሊጥዎ ኣሎ። ሕልምኻ እዚ እዩ፣ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ ኸለኻ ዝረኣኻዮ ራእያት ርእስኻ እውን እዚ እዩ፦ 29 “ኦ ንጉስ፡ ንስኻ ኣብ ዓራትካ ኸለኻ፡ ሓሳባትካ ናብቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ኣቢሉ፣ እቲ ገላጽ ምስጢራት ከኣ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍሊጡካ። 30 እዚ ምስጢር እዚ ንዓይ እተገልጸለይ፡ ኣነ ኻብ ህያው ዘበለ ዝዓበየ ጥበብ ስለ ዘሎኒ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንንጉስ ትርጉሙ ምእንቲ ኺንገሮ እሞ፡ ነቲ ሓሳባት ልብኻ ምእንቲ ኽትፈልጦ እዩ።+ 31 “ኦ ንጉስ፡ ትጥምት ኔርካ፣ ዓብዪ ምስሊ እውን ርኢኻ። እቲ ገዚፍን ኣዝዩ ዜንጸባርቕን ምስሊ እቲ፡ ኣብ ቅድሜኻ ነይሩ፣ ትርኢቱ ድማ ዜሸብር ነይሩ። 32 ርእሲ እቲ ምስሊ፡ ጽሩይ ወርቂ፡+ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፡+ ከብዱን ሰለፉን ነሓሲ፡+ 33 መሓውሩ ሓጺን፡+ ኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ* ነይሩ።+ 34 ክትጥምት ከለኻ ድማ፡ ኢድ ከይተንከያ እምኒ ተፈንቂላ፡ ነቲ ምስሊ ኣብቲ ሓጺንን ካይላን ዝዀነ ኣእጋሩ ወቒዓቶን ሓምሺሻቶን።+ 35 ሽዑ፡ እቲ ሓጺንን ካይላን ነሓስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሺሹ፡ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ሓጋይ እውን ኰይኑ፣ ኣሰሩ ኽሳዕ ዘይርከብ ድማ ንፋስ ወሲድዎ። እታ ነቲ ምስሊ ዝወቕዓቶ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰይና፣ ንብዘላ ምድሪ እውን መሊኣታ። 36 “እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፣ ሕጂ ኸኣ ንንጉስ ትርጉሙ ኽንነግሮ ኢና። 37 ኦ ንጉስ፡—ኣታ እቲ ኣምላኽ ሰማይ መንግስትን ሓይልን ብርታዐን ክብርን ዝሃበካ+ ንጉሰ ነገስት፡ 38 ኣታ ኣብ ኵሉ ዚነብሩ ሰባትን እንስሳታት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማያትን ኣብ ኢድካ ዝሃበካን ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዘግዝኣካን፡+—እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ።+ 39 “ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ እያ፣+ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሰይቲ መንግስቲ ነሓሲ እውን ክትትንስእ እያ።+ 40 “እታ ራብዐይቲ መንግስቲ ኸኣ ከም ሓጺን ብርትዕቲ ኽትከውን እያ።+ ከምቲ ሓጺን ንዅሉ ዚሕምሽሽን ዜድቅቕን፡ እወ፡ ከምቲ ሓጺን ዚሰባብር፡ ንሳ ነዚ ዅሉ ኽትሕምሽሽን ክትሰባብርን እያ።+ 41 “ከምቲ እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ገሊኡ ኻይላ ሰራሕ ካይላ፡ ገሊኡ እውን ሓጺን ዝረኣኻዮ፡ ከምኡ ድማ እታ መንግስቲ ኽትመቓቐል እያ፣ ግናኸ፡ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም ካይላ ተሓዊሱ ዝረኣኻዮ፡ ገለ ኻብቲ ትሪ ሓጺን ኪህልዋ እዩ። 42 ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ እውን ካይላ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ድማ ተሰባሪት ክትከውን እያ። 43 ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም ካይላ ተሓዊሱ ዝረኣኻዮ፡ ንሳቶም ምስ ሰባት* ኪተሓዋወሱ እዮም፣ ከምቲ ሓጺን ምስ ካይላ ዘይሕወስ ግና፡ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም። 44 “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኦም፡ ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ+ መንግስቲ ኬቕውም እዩ።+ እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ኣይክትውሃብን እያ።+ ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣+ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ፣+ 45 ከምቲ ኢድ ከይተንከያ እምኒ ኻብ ከረን ተፈንቂላ ነቲ ሓጺንን ነሓስን ካይላን ብሩርን ወርቅን ክትሕምሽሾ ዝረኣኻዮ ኪኸውን እዩ።+ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ንንጉስ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ኣፍሊጥዎ ኣሎ።+ እቲ ሕልሚ ሓቂ እዩ፣ ትርጉሙ ድማ እሙን እዩ።” 46 ሽዑ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ቅድሚ ዳንኤል ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሉ። ህያብን ዕጣንን ኬቕርቡሉ እውን ኣዘዘ። 47 ንጉስ ከኣ ንዳንኤል፡ “ንስኻ ነዚ ምስጢር እዚ ኽትገልጽ ካብ ከኣልካስ፡ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጽ ምስጢራትን እዩ” በሎ።+ 48 ሽዑ፡ ንጉስ ንዳንኤል ልዕል ኣበሎ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ህያባት ድማ ሃቦ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣውራጃ ባቢሎን ከኣ ኣግዝኦ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጥበበኛታት ባቢሎን እውን ቀንዲ ምስለኔ ገበሮ። 49 ዳንኤል ከኣ ንንጉስ ለመኖ፣ ንሱ እውን ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን+ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኣውራጃ ባቢሎን ሸሞም፣ ዳንኤል ግና ኣብ ኣጸድ ንጉስ የገልግል ነበረ። 4 “ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ናብ ዚቕመጡ ዅሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን፦ ሰላምኩም ይብዛሕ! 2 እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትታትን ተኣምራትን ክነግር ባህ ይብለኒ። 3 ትእምርትታቱ ኸመይ ኰን ዓብዪ እዩ! ተኣምራቱ እውን ከመይ ኰን ብርቱዕ እዩ! መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፣ ግዝኣቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+ 4 “ኣነ ነቡካድነጻር ኣብ ቤተይ ቀሲነ፡ ኣብ ቤተ መንግስተይ ድማ እብልጽግ ነበርኩ። 5 ዘፍርሃኒ ሕልሚ ኸኣ ረኣኹ። ኣብ ዓራተይ በጥ ኢለ ኸለኹ፡ ምስልታትን ራእያትን ርእሰይ ኣፍርሃኒ።+ 6 ስለዚ፡ ትርጉም እቲ ሕልሚ ምእንቲ ኼፍልጡኒ፡ ንዅሎም ጥበበኛታት ባቢሎን ኣብ ቅድመይ ኬምጽእዎም ኣዘዝኩ።+ 7 “ሽዑ፡ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ከለዳውያንን* ቈጸርቲ ኸዋኽብትን+ ኣተዉ። ነቲ ሕልሚ ምስ ነገርክዎም፡ ትርጉሙ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን።+ 8 ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ብስም ኣምላኸይ+ ቤልጥሻጽር እተሰምየ+ መንፈስ ቅዱሳት ኣማልኽቲ ዘለዎ+ ዳንኤል ናብ ቅድመይ ኣተወ፣ ኣነ ድማ ነቲ ሕልሚ ነገርክዎ፦ 9 “‘ኦ ቤልጥሻጽር፡ ሓለቓ ስሒር ዚገብሩ ኻህናት፡+ መንፈስ ቅዱሳት ኣማልኽቲ ኣባኻ ኸም ዘሎን+ ዜሸግረካ ምስጢር ከም ዘየልቦን ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።+ ስለዚ፡ ነቲ ብሕልመይ ዝረኣኽዎ ራእያትን ንትርጉሙን ግለጸለይ። 10 “‘ኣብ ዓራተይ ከለኹ፡ ብራእያት ርእሰይ ሓንቲ ኦም+ ኣብ ማእከል ምድሪ ርእየ፣ ቍመታ ኸኣ ነዊሕ እዩ ነይሩ።+ 11 እታ ኦም ዓብያን በርቲዓን፣ ጫፋ ድማ ክሳብ ሰማያት በጺሑ፣ ክሳብ ወሰናት ብዘላ ምድሪ እውን ትርአ ነይራ። 12 ኣቝጽልታ ጽቡቕ፡ ፍሪኣ ኸኣ ብዙሕ ነይሩ፣ ኣብኣ እውን ንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ነይሩ። ኣብ ትሕቲኣ፡ እንስሳታት መሮር የጽልላ፡ ኣብ ጨናፍራ ድማ ኣዕዋፍ ሰማያት ይሰፍራ ነይረን፣ ኵሉ ፍጡር* ከኣ ካብኣ ይምገብ ነይሩ። 13 “‘ኣብ ዓራተይ ኰይነ ራእያት ርእሰይ እናረኣኹ ኸለኹ፡ ሓደ ቕዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማያት ኪወርድ ረኣኹ።+ 14 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ብዓውታ ጨደረ፦ “ነዛ ኦም ቍረጽዋ፣+ ጨናፍራ ጸልጽሉ፣ ኣቝጽልታ ኣርግፉ፣ ፍሪኣ እውን ፋሕ ኣብሉ! እተን እንስሳታት ካብ ትሕቲኣ፡ እተን ኣዕዋፍ እውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ። 15 ነቲ ጕርማጽ ምስ ሰራውራ፡* ብሓጺንን ብነሓስን ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማያት ይጠልቂ፣ ግዲኡ እውን ኣብ መንጎ ኣትክልቲ ምድሪ ምስ እንስሳታት ይኹን።+ 16 ልቡ ኻብ ናይ ሰብ ይለወጥ፣ ልቢ እንስሳ ኸኣ ይውሃቦ፣ ሸውዓተ ግዜያት+ ድማ ይሕለፎ።+ 17 ህያዋን ዘበሉ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑ፡+ ንዝደለዮ ድማ ከም ዚህባ፡ ኣብ ልዕሊኣ እውን ካብ ሰብ እቲ ዝተሓተ ኸም ዜቕውም ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ብትእዛዝ ሓለውቲ፡+ እቲ ውሳነ እውን ብቓል ቅዱሳት እዩ።” 18 “‘ኣነ ንጉስ ነቡካድነጻር ዝረኣኽዎ ሕልሚ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኦ ቤልጥሻጽር፡ ኵሎም ጥበበኛታት መንግስተይ ትርጉሙ ኼፍልጡኒ ኣይከኣሉን እሞ፡ ትርጉሙ ንገረኒ።+ መንፈስ ቅዱሳት ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎስ፡ ንስኻ ትኽእሎ ኢኻ።’ 19 “ሽዑ፡ እቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል+ ንቕጽበት ሰምበደ፣ ሓሳባቱ እውን ኣፍርሆ። “ንጉስ ከኣ፡ ‘ኦ ቤልጥሻጽር፡ እቲ ሕልምን ትርጉሙን ኣየፍርህካ’ በሎ። “ቤልጥሻጽር ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ ‘ኦ ጐይታይ፡ እቲ ሕልሚ ንዚጸልኡኻ፡ ትርጉሙ እውን ንጸላእትኻ ይኹን። 20 “‘እታ ዝረኣኻያ ዝዓበየትን ዝበርትዐትን ኦም፡ እታ ጫፋ ኽሳብ ሰማያት ዝበጽሐ፡ ኣብ ኵሉ ምድሪ እውን እትርአ፡+ 21 እታ ኣቝጽልታ ጽቡቕ፡ ፍሪኣ ብዙሕ፡ ንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ዘለዋ፡ እንስሳታት መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዚነብሩላ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት እውን ኣብ ጨናፍራ ዚሰፍራላ፡+ 22 ኦ ንጉስ፡ ስለ ዝዓበኻን ዝበርታዕካን፡ ዕቤትካ ዓብዩ ኽሳብ ሰማያት ስለ ዝበጽሐ፡+ ግዝኣትካ እውን ክሳብ ወሰናት ምድሪ ስለ ዝበጽሐ፡ ንሳስ ንስኻ ኢኻ።+ 23 “‘ንጉስ ከኣ ሓደ ቕዱስ ሓላዊ+ ኻብ ሰማያት፡ “ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን፣ ነቲ ጕርማጽ ምስ ሰራውራ* ግና ብሓጺንን ብነሓስን ተኣሲሩ፡ ኣብ መንጎ ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ኣውሊ ሰማያት ድማ የጠልቅዮ፣ ሸውዓተ ግዜያት ክሳዕ ዚሓልፎ እውን ግዲኡ ምስ እንስሳታት መሮር ይኹን” እናበለ ኺወርድ ከሎ ርእዩ።+ 24 ኦ ንጉስ፡ ትርጉሙ እዚ እዩ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ። 25 ካብ ሰብ ክትስጐጕ፡ ምስ እንስሳታት መሮር ድማ ክትነብር ኢኻ፣ ከም ኣብዑር ከኣ እትበልዖ ኣትክልቲ ኺውሃበካ እዩ። ብኣውሊ ሰማያት ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፣+ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑን ንዘደለዮ ኸም ዚህባን ክሳዕ እትፈልጥ ከኣ፡+ ሸውዓተ ግዜያት+ ኪሓልፈካ እዩ።+ 26 “‘እቲ ጕርማጽ ኦም ምስ ሰራውራ* ይተሓደግ ስለ ዝበሉ ግና፡+ ሰማያት ከም ዚገዝእ ምስ ፈለጥካ፡ መንግስትኻ መሊሳ ናትካ ኽትከውን እያ። 27 ስለዚ፡ ኦ ንጉስ፡ ምኽረይ ኣባኻ ቕቡል ይኹን። ቅኑዕ ብምግባር ካብ ሓጢኣትካ፡ ንድኻታት ምሕረት ብምግባር ድማ ካብ እከይካ ተመለስ። ምናልባት ብልጽግናኻ ይነውሕ ይኸውን።’”+ 28 እዚ ዅሉ ንንጉስ ነቡካድነጻር በጽሖ። 29 ድሕሪ 12 ወርሒ፡ ኣብ ናሕሲ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ይመላለስ ነበረ። 30 ንጉስ ድማ፡ “እዚኣስ እታ ቤተ መንግስተይ ክትከውን፡ ንኽብሪ ግርማይ ኢለ ብገዛእ ብርታዐይን ሓይለይን ዝሃነጽክዋ ዓባይ ባቢሎን ደይኰነትን፧” በለ። 31 እቲ ቓል ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፡ ከምዚ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማያት መጸ፦ “ኦ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ከምዚ ተባሂሉልካ ኣሎ፦ ‘መንግስቲ ኻባኻ ርሒቓ ኣላ፣+ 32 ካብ ሰብ እውን ትስጐጕ ኣለኻ። መንበሪኻ ምስ እንስሳታት መሮር ኪኸውን፡ ከም ኣብዑር ድማ እትበልዖ ኣትክልቲ ኺውሃበካ እዩ፣ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑን ንዝደለዮ ኸም ዚህባን ክሳዕ እትፈልጥ ከኣ፡ ሸውዓተ ግዜያት ኪሓልፈካ እዩ።’”+ 33 ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ እቲ ቓል ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመ። ንሱ ድማ ጸጕሩ ኸም ከነቲት ንስሪ፡ ኣጽፋሩ እውን ከም ኣጽፋር ኣዕዋፍ ክሳዕ ዚነውሕ፡ ካብ ደቂ ሰብ ተሰጕጐ፡ ከም ኣብዑር ከኣ ኣትክልቲ በልዐ፡ ሰብነቱ ድማ ብኣውሊ ሰማያት ጠልቀየ።+ 34 “ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜ እቲ፡+ ኣነ ነቡካድነጻር ናብ ሰማያት ጠመትኩ፣ ኣእምሮይ ድማ ተመልሰለይ። ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፡ መንግስቱ እውን ንውሉድ ወለዶ እዩ እሞ፡ ነቲ ልዑል ወደስክዎ፣ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ እውን ውዳሰን ክብርን ሃብክዎ።+ 35 ኵሎም ነበርቲ ምድሪ ኸም ገለ እኳ ኣይቍጸሩን እዮም፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሰማያትን ነበርቲ ምድርን ከኣ ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ኪዓግቶ* ወይ ‘እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧’ ኪብሎ ዚኽእል እውን የልቦን።+ 36 “በቲ ግዜ እቲ፡ ኣእምሮይ ተመልሰለይ፣ ክብሪ መንግስተይን ዕቤተይን ግርማይን ተመልሰለይ።+ ላዕለዎት ሰበ ስልጣነይን ልዑላነይን ከኣ ተሃንጥዮም ደለዩኒ፣ ናብ መንግስተይ ድማ ተመለስኩ፣ ዝያዳ ዕቤት እውን ተወሰኸለይ። 37 “ሕጂ፡ ኣነ ነቡካድነጻር ንንጉስ ሰማያት እውድሶን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ።+ ኵሉ ግብሩስ ሓቂ፡ መገድታቱ እውን ፍትሒ እዩ፣+ ነቶም ብትምክሕቲ ዚመላለሱ ድማ ኬዋርዶም ይኽእል እዩ።”+ 6 ንዳርዮስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዘላ እታ መንግስቲ 120 ራእስታት ኪሸይም፡ ጽቡቕ መሰሎ።+ 2 ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሰለስተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሸመ፣ ሓደ ኻባታቶም ከኣ ዳንኤል ነበረ።+ ንጉስ ከይጕዳእ ድማ፡ እቶም ራእስታት+ ንዓታቶም ጸብጻብ ይህቡ ነበሩ። 3 ዳንኤል ከኣ ፍሉይ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፡ ካብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ካብቶም ራእስታትን ፍልይ ዝበለ ነበረ፣+ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ እታ መንግስቲ ልዕል ኬብሎ ሓለነ። 4 ሽዑ፡ እቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ራእስታትን ንዳንኤል ብዛዕባ ነገር መንግስቲ ዚኸስሱሉ ምኽንያት ኪረኽቡ ደለዩ። ግናኸ፡ ንሱ እሙን ነበረ፡ ሸለልትነት ወይ ብልሽውና እውን ኣይርከቦን ነበረ እሞ፡ ዚኸስሱሉ ምኽንያት ወይ ዝዀነ ብልሽውና ኺረኽቡ ኣይከኣሉን። 5 ሽዑ፡ እቶም ሰባት፡ “ኣብዚ ዳንኤል እዚ ብሕጊ ኣምላኹ ኽንረኽበሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንኸስሰሉ ምኽንያት ኣይንረክብን ኢና” በሉ።+ 6 ስለዚ፡ እቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ራእስታትን ተኣኪቦም ናብ ንጉስ ኣተዉ እሞ፡ ከምዚ በልዎ፦ “ኦ ንጉስ ዳርዮስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። 7 ኦ ንጉስ፡ ኵሎም ሰበ ስልጣን መንግስትን ምስለኔታትን ራእስታትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ሹማምንትን፡ ን30 መዓልቲ ብዘይካ ንዓኻ፡ ንዝዀነ ኣምላኽ ኰነ ሰብ ዚልምን፡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ ትእዛዝ ንጉስ ኪቐውምን ክልክል ኪጸንዕን ብሓባር ተማኺሮም ኣለዉ።+ 8 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ ንጉስ፡ እዚ ኸምቲ ዘይፈርስ ሕጊ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ኰይኑ ኸይልወጥሲ፡+ ትእዛዝ ኣቝም፡ ክታም እውን ግበረሉ።”+ 9 ስለዚ፡ ንጉስ ዳርዮስ ነቲ ትእዛዝን ክልክልን ከተሞ። 10 ዳንኤል እቲ ትእዛዝ ከም እተኸተመ ምስ ፈለጠ ግና፡ ናብታ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን እተኸፍታ መሳዅቲ ደርቢ ዘለዋ ቤቱ ኸደ።+ ከምቲ ቕድሚ እዚ ብስሩዕ ዚገብሮ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ ተምበርኪኹ ጸለየን ወደሰን። 11 ሽዑ፡ እቶም ሰባት ጥሒሶም ኣተዉ እሞ፡ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺልምንን ኪምህለልን ከሎ ረኸብዎ። 12 ስለዚ፡ ናብ ንጉስ ቀሪቦም፡ “ኦ ንጉስ፡ ን30 መዓልቲ ብዘይካ ንዓኻ፡ ንዝዀነ ኣምላኽ ኰነ ሰብ ዚልምን ሰብ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ ዚብል ክልክልዶ ኣይከተምካን፧” ኢሎም ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ ኣዘኻኸርዎ። ንጉስ ድማ፡ “እዚ ነገር ከምቲ ዘይፈርስ ሕጊ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ኰይኑ ቘይሙ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 13 ብኡብኡ ኸኣ ንንጉስ፡ “ኦ ንጉስ፡ እቲ ኻብ ምሩኻት ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል፡+ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ይጽሊ ኣሎ እምበር፡ ንዓኻ ዀነ ነቲ ዝኸተምካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን” በልዎ።+ 14 ንጉስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተጨነቐ፡ ንዳንኤል ዜናግፈሉ መገዲ እውን ኪሓስብ ፈተነ፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ እውን ኬድሕኖ ጸዓረ። 15 እቶም ሰባት ከኣ ተኣኪቦም ናብ ንጉስ ኣተዉ እሞ፡ “ኦ ንጉስ፡ እቲ ንጉስ ዘቘሞ ኽልክል ወይ ትእዛዝ ኪልወጥ ዘይከኣል ምዃኑስ ኣብ ሕጊ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ከም ዘሎ ኣስተብህል” ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።+ 16 ስለዚ፡ ንጉስ ኣዘዘ እሞ፡ ንዳንኤል ኣምጽእዎ፡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ እውን ደርበይዎ።+ ንጉስ ድማ ንዳንኤል፡ “እቲ ብቐጻሊ እተገልግሎ ኣምላኽካ ኼናግፈካ እዩ” በሎ። 17 ሽዑ፡ ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ኣብ ኣፍ እቲ ጕድጓድ ኣንበርዎ፣ ንጉስ ከኣ ብዛዕባ ዳንኤል ገለ እኳ ኸይልወጥሲ፡ ብቐለቤት ማሕተሙን ብቐለቤት ማሕተም ልዑላኑን ሓተሞ። 18 ሽዑ፡ ንጉስ ናብ ቤተ መንግስቱ ኸደ። ጾሙ ድማ ሓደረ፡ ዝዀነ መዘናግዒ ኸይቀርበሉ* ኸኣ ኣበየ፡ ድቃስ እውን ካብኡ በረረ። 19 ብርሃን ወጋሕታ ምስ ተራእየ ድማ፡ ንጉስ ተንስአ፡ ቀልጢፉ እውን ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ። 20 ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበ፡ ብጕሁይ ድምጺ ንዳንኤል ጸውዖ። ንጉስ ከኣ፡ “ኦ ዳንኤል፡ ኣታ ጊልያ እቲ ህያው ኣምላኽ፡ እቲ ብቐጻሊ እተገልግሎ ኣምላኽካ ኻብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኽኢሉ፧” ኢሉ ሓተቶ። 21 ብኡብኡ፡ ዳንኤል ንንጉስ፡ “ኦ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። 22 ኦ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፡ ንዓኻ እውን ኣይበደልኩኻን እሞ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዩ እዩ፣+ ንሳቶም እውን ኣይጐድኡንን”+ በሎ። 23 ሽዑ፡ ንጉስ ኣዝዩ ተሓጐሰ፣ ንዳንኤል ካብቲ ጕድጓድ ኣልዒሎም ኬውጽእዎ ድማ ኣዘዘ። ንዳንኤል ከኣ ካብቲ ጕድጓድ ኣልዒሎም ኣውጽእዎ። ብኣምላኹ ተኣሚኑ* ስለ ዝነበረ፡ ፈጺሙ ኣይተጐድአን ነበረ።+ 24 ንጉስ ድማ ኣዘዘ፣ ነቶም ንዳንኤል ዝኸሰስዎ* ኸኣ ኣምጺኦም፡ ምስ ደቆምን ኣንስቶምን ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ንሳቶም ገና ኣብ ባይታ እቲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፡ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፣ ንዅሉ ኣዕጽምቶም እውን ሰባበርዎ።+ 25 ሽዑ፡ ንጉስ ዳርዮስ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦+ “ሰላም ይብዝሓልኩም! 26 ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ፡ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዳንኤል ብፍርሂ ራዕራዕ ኪብሉ ትእዛዝ አውጽእ ኣለኹ።+ ንሱስ ንዘለኣለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ። መንግስቱ ኸቶ ኣይትጠፍእን እያ፣ ግዝኣቱ* እውን ዘለኣለማዊ እዩ።+ 27 ንሱ ንዳንኤል ካብ ኢድ ኣናብስ ኣድሒንዎ እዩ እሞ፡ የናግፍን+ የድሕንን፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ትእምርትታትን ተኣምራትን ይገብር እዩ።”+ 28 ስለዚ፡ እዚ ዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን+ ኣብ መንግስቲ ቂሮስ እቲ ፋርሳውን ሰለጦ።+ 10 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ቂሮስ+ ንጉስ ፋርስ፡ ነቲ ቤልጥሻጽር ተባሂሉ እተሰምየ ዳንኤል+ ሓደ ነገር ተገልጸሉ፣ እቲ መልእኽቲ ኸኣ ሓቂ ነበረ፣ ብዛዕባ ዓብዪ ግጭት ድማ ነበረ። ንሱ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ ተረድኦ፣ ነቲ ዝረኣዮ እውን ኪርድኦ ኸኣለ። 2 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ።+ 3 ኣብተን ሰለስተ ሰሙን ምሉእ፡ ጥዑም ምግቢ ኣይበላዕኩን፣ ስጋ ወይ ወይኒ ድማ ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፣ ዘይቲ እውን ኣይተለኸኹን። 4 ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ፈለግ ጢግሪስ*+ ከለኹ፡ 5 ኣዒንተይ ኣልዓልኩ እሞ በፍታ እተኸድነ+ ኣብ ማዕጥቖኡ ዕጣቕ ወርቂ ኡፋዝ እተዓጥቀ ሰብኣይ ረኣኹ። 6 ሰብነቱ ኸም ክሪሶሊት፡+ ገጹ ኸም ትርኢት በርቂ፡ ኣዒንቱ ኸም ፋናታት ሓዊ፡ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ከም እተወልወለ ነሓሲ፡+ ደሃይ ድምጹ ኸኣ ከም ደሃይ ብዙሓት ነበረ። 7 ኣነ ዳንኤል ጥራይ ነቲ ራእይ ረኣኽዎ፣ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረኣይዎን።+ ግናኸ፡ ኣመና ራዕራዕ በሉ፣ ሃዲሞም ከኣ ተሓብኡ። 8 ሽዑ፡ በይነይ ተረፍኩ፣ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ምስ ረኣኹ ድማ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን፡ ግርማ ትርኢተይ ከኣ ሓደገኒ፡ ኵሉ ብርታዐይ እውን ጠፍአ።+ 9 ሽዑ፡ ደሃይ እቲ ዚዛረበኒ ሰማዕኩ፣ ኪዛረበኒ ኸሎ ምስ ሰማዕክዎ ግና፡ ከቢድ ድቃስ ወሲዱኒ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።+ 10 ሽዑ ግና፡ ኢድ ተንከየትኒ፡+ ብኣእዳወይን ብኣብራኸይን ክትንስእ ድማ ኣለዓዓለትኒ። 11 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኦ ዳንኤል፡ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ* ሰብ፡+ ነቲ ኣነ ዝዛረበካ ቓላት ኣቕልበሉ። ሕጂ፡ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፡ ኣብ ቦታኻ ደው በል።” እዚ ምስ በለኒ፡ ራዕራዕ እናበልኩ ደው በልኩ። 12 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “ኦ ዳንኤል፡ ኣይትፍራህ።+ ካብታ ንምርዳእን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ርእስኻ ንምትሓትን ልብኻ ዝሃብካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዙስ ቃላትካ ተሰሚዐን እየን፣ ኣነ ድማ ብምኽንያት ቃላትካ እየ መጺአ።+ 13 መስፍን+ መንግስቲ ፋርስ ግና 21 መዓልቲ ኣንጻረይ ቈይሙ። ድሕሪኡ ግና፡ ሚካኤል*+ ሓደ ኻብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ* ኺሕግዘኒ መጺኡ፣ ኣነ እውን ኣብኡ ኣብ ጥቓ ነገስታት ፋርስ እየ ጸኒሐ። 14 ገና ንዚመጽእ መዓልትታት ዚኸውን ራእይ እዩ እሞ፡+ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝብኻ እንታይ ከም ዚወርዶም ከረድኣካ መጺአ ኣለኹ።”+ 15 እዘን ቃላት እዚአን ምስ ተዛረበኒ፡ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ፡ ዓባስ እውን ኰንኩ። 16 ሽዑ፡ ሰብ ዚመስል ንኸናፍረይ ተንከዮ፣+ ኣነ ድማ ኣፈይ ከፈትኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ዝበለ ኸኣ ከምዚ በልክዎ፦ “ጐይታይ፡ ብሰንኪ እዚ ራእይ አንቀጥቅጥ ኣለኹ፣ ሓይሊ እውን የብለይን።+ 17 እሞ ደኣ ጊልያ ጐይታይ ከመይ ኢሉ ምስ ጐይታይ ኪዛረብ ይኽእል፧+ ሕጅስ ሓይሊ የብለይን፣ ትንፋስ እውን ኣይተረፈንን።”+ 18 እቲ ሰብ ዚመስል ከኣ ከም ብሓድሽ ተንከየኒ፡ ኣበርትዓኒ እውን።+ 19 ሽዑ፡ “ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ* ሰብ፡+ ኣይትፍራህ።+ ሰላም ንዓኻ ይኹን።+ በርትዕ፡ እወ፡ በርትዕ” በለኒ። ምስ ተዛረበኒ፡ በርታዕኩ፡ “ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ጐይታይ ይዛረብ” በልክዎ። 20 ሽዑ፡ ከምዚ በለ፦ “ስለምንታይ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩ ትፈልጥዶ፧ ሕጂ፡ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ።+ ምስ ከድኩ፡ መስፍን ግሪኽ ኪመጽእ እዩ። 21 ግናኸ፡ ኣብ ጽሑፋት ሓቂ እተመዝገበ ኽነግረካ እየ። ብዘይካ ሚካኤል+ እቲ መስፍንኩም፡+ ሓደ እኳ ብጽኑዕ ዝደገፈኒ የብለይን። 9 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ዳርዮስ+ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፡—ኣብ መንግስቲ ከለዳውያን ዝነገሰ ዘርኢ ሜዶናውያን፡+— 2 ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ንግስናኡ፡ ኣነ ዳንኤል ነቲ ንነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ምብዳም የሩሳሌም ዚፍጸመሉ ግዜ+ ኣብ ቃል የሆዋ እተጠቕሰሉ ቝጽሪ ዓመታት፡ ማለት ነቲ 70 ዓመት+ ብመጻሕፍቲ* ኣስተውዓልክዎ። 3 ስለዚ፡ ገጸይ ናብ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መሊሰ፡ ምስ ጾምን+ ማቕን ሓምዅሽትን እናጸለኹ ለመንክዎ። 4 ናብ የሆዋ ኣምላኸይ ከኣ ጸለኹ፡ ከምዚ ኢለ እውን ተናዘዝኩ፦ “ኦ የሆዋ፡ ኣታ ንዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ንዚሕልዉን+ ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን+ ዓብዪን ዜፍርህን ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ 5 ንሕና ሓጢእናን በዲልናን እከይ ጌርናን ዓሊናን ኢና፣+ ካብ ትእዛዛትካን ፍርድታትካን እውን ኣልጊስና ኢና። 6 ነቶም ብስምካ ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንኣቦታትናን ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን እተዛረቡ ገላዉኻ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን።+ 7 ኦ የሆዋ፡ ጽድቂ ናትካ እዩ፣ ሕፍረት* ግና ናትና፡ ናይቶም ንዓኻ ብምጥላሞም ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ኣብ ዚርከብ ኵሉ ሃገራት ዝበተንካዮም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ኵሉ እስራኤልን እዩ።+ 8 “ኦ የሆዋ፡ በዲልናካ ኢና እሞ፡ ሕፍረት* ናትናን ናይ ነገስታትናን ናይ መሳፍንትናን ናይ ኣቦታትናን እዩ። 9 ንሕና ኻብኡ ዓሊና ኢና እሞ፡+ ምሕረትን ይቕረታን ናይ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ 10 ነቲ ብገላዉኡ ነብያት ኣቢሉ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕግታቱ ንምስዓብ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና ኣይተኣዘዝናን።+ 11 ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ጥሒሱ፡ ድምጽኻ ኸይእዘዝ እውን ኣልጊሱ እዩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ጊልያ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ኣፍሲስካልና ኣለኻ።+ ንሕናስ በዲልናዮ ኢና። 12 ንሱ ኸኣ ዓብዪ መዓት ኣባና ብምውራድ፡ ነቲ ኣንጻርናን ኣንጻር እቶም ኣብ ልዕሌና ዚገዝኡ ገዛእትናን* እተዛረቦ ቓላት ፈጺምዎ ኣሎ፣+ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረስ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማያት ከቶ ኣይተገብረን።+ 13 ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኵሉ እዚ መዓት እዚ ኣብ ልዕሌና ወሪዱ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ካብ ስሕተትና ብምምላስን+ ንሓቅኻ* ብዚምልከት ልቦና ብምግባርን፡ ሞገስ የሆዋ ኣምላኽና ኣይለመንናን።* 14 “የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ግብርታት ጻድቕ እዩ እሞ፡ ስለዚ፡ የሆዋ ነቒሑ፡ መዓት እውን ኣውሪዱልና፣ ግናኸ፡ ድምጹ ኣይተኣዘዝናን።+ 15 “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኣታ ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብሓያል ኢድ ዘውጻእካዮን+ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እውን ንዓኻ ስም ዝገበርካን፡+ ንሕና ሓጢእና፡ እከይ እውን ጌርና ኢና። 16 ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ከም ኵሉ ጽድቅኻ፡+ ቍጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፡ ካብቲ ቕዱስ ከረንካ ይመለስ። ብሰሪ ሓጢኣትናን ስሕተት ኣቦታትናንሲ፡ የሩሳሌምን ህዝብኻን ኣብ ዙርያና ንዘለዉ ዅሎም መጻረፊ ዀይኖም ኣለዉ።+ 17 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ ኣምላኽና፡ ጸሎት ጊልያኻን ልማኖኡን ስማዕ፣ ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ፡ ኣብታ ዓንያ ዘላ+ መቕደስካ ገጽካ ኣብርህ።+ 18 ኦ ኣምላኸይ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ! ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ንሕናን እታ ብስምካ እትጽዋዕ ዝነበረት ከተማን ዓኒና ኸም ዘለና ርአ። ስለቲ ዓብዪ ምሕረትካ እምበር፡ ስለ ጽድቅና ኣይኰንናን እንልምነካ ዘለና።+ 19 ኦ የሆዋ፡ ስማዕ። ኦ የሆዋ፡ ይቕረ በል።+ ኦ የሆዋ፡ ኣቕልብ እሞ ግበር! ኦ ኣምላኸይ፡ ስምካ ኣብ ከተማኻን ኣብ ህዝብኻን ይጽዋዕ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ፡ ኣይትደንጒ።”+ 20 ገና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኸይ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ከረን ኣምላኸይ ክዛረብ፡ ክጽሊ፡ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ፡ ናይ ሞገስ ልማኖይ ከኣ ከቕርብ ከለኹ፡+ 21 እወ፡ ገና እናጸለኹ ኸለኹ፡ ገብርኤል+ እቲ ኣቐዲመ ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡+ ኣጋ ግዜ መባእ ምሸት ኣመና ምስ ደኸምኩ መጸኒ። 22 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣረድኣኒ፦ “ኦ ዳንኤል፡ ሕጂ ልቦና ኽህበካን ከረድኣካን መጺአ ኣለኹ። 23 ልማኖኻ ምስ ጀመርካ፡ ቃል ወጺኡ እዩ፣ ንስኻ ኣዚኻ እተፈቶኻ*+ ኢኻ እሞ፡ ነዚ ኽነግረካ ኢለ መጺአ ኣለኹ። ስለዚ፡ ነቲ ነገር ኣስተብህለሉ፡ ነቲ ራእይ እውን ተረድኣዮ። 24 “ንኣበሳ መወዳእታ ንምግባር፡ ሓጢኣት ንምውዳእ፡+ ስሕተት ንምትዕራቕ፡+ ዘለኣለማዊ ጽድቂ ንምእታው፡+ ነቲ ራእይን ነቲ ትንቢትን* ንምሕታም፡+ ነቲ ቕዱስ ቅዱሳን* ድማ ንምቕባእ፡ ንህዝብኻን ነታ ቕድስቲ ኸተማኻን+ 70 ሰሙን* ተመዲቡ ኣሎ። 25 ካብቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ዳግም ክትህነጽን ዚብል ቃል ዚወጸሉ ኣትሒዙ+ ኽሳዕ እቲ መሲሕ፡*+ እቲ መራሒ፡+ 7 ሰሙን፡ ድማ 62 ሰሙን ኪኸውን ምዃኑ ፍለጥን ተረዳእን።+ ንሳ ኸኣ ግዜ ጭንቂ ኽነሱ፡ ምስ ኣደባባይን ቀጽረ ማይን፡ ክትሕደስን ዳግም ክትህነጽን እያ። 26 “ድሕሪ 62 ሰሙን ድማ እቲ መሲሕ ንርእሱ ሓንቲ ዘይብሉ+ ኪቕተል* እዩ።+ “ህዝቢ እቲ ዚመጽእ መራሒ ኸኣ ነታ ኸተማን ነታ መቕደስን ኬጥፍእ እዩ።+ መወዳእታኣ ድማ ብውሒዝ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ መወዳእታ ኸኣ ውግእ ኪኸውን እዩ፣ እቲ እተመደበ እውን ጥፍኣት እዩ።+ 27 “ንሱ ድማ ንሓደ ሰሙን፡ ነቲ ኺዳን ኬጽንዖ እዩ፣ ኣብ ፍርቂ እታ ሰሙን ከኣ፡ መስዋእትን መባእን ኬቋርጽ እዩ።+ “ኣብ ክንፊ ጽያፍ ድማ እቲ ዜጥፍእ ኪኸውን እዩ፣+ ክሳዕ ምጽናት ከኣ፡ እቲ እተመደበ ኣብቲ ዝባደመ እውን ኪፈስስ እዩ።” 5 ንጉስ ቤልሻጽር+ ንሽሕ ልዑላኑ ዓብዪ ድግስ ገበረሎም፣ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።+ 2 ብወይኒ ምስ ሰኸረ፡ ንጉስን ልዑላኑን ኣንስቲ ወሰኑን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ኺሰትዩስ፡ ቤልሻጽር ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጻር ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዝወሰዶ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ኬምጽእዎ ኣዘዘ።+ 3 ሽዑ፡ ነቲ ኻብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቕሑ ኣምጽእዎ። ንጉስን ልዑላኑን ኣንስቲ ወሰኑን ዕቁባቱን ድማ ብእኡ ሰተዩ። 4 ወይኒ ሰትዮም ከኣ፡ ነቶም ኣማልኽቲ ወርቅን ብሩርን ነሓስን ሓጺንን ዕንጨይትን እምንን ወደስዎም። 5 ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ኣብቲ እተለሰነ መንደቕ እቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ኣጻብዕ ሰብ ተራእያን ጸሓፋን፣ ንጉስ ድማ እታ ኢድ ክትጽሕፍ ከላ፡ ዝባና ይርእያ ነበረ። 6 ሽዑ፡ ንጉስ ጸማልያ መሰለ፡* ሓሳባቱ እውን ኣሸበሮ፣ ሕቘኡ ተናወጸ፡+ ኣብራኹ ድማ ንሓድሕዱ ተዋቕዐ። 7 ንጉስ ከኣ ነቶም ጸዋዕቲ መናፍስትን ከለዳውያንን* ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ኪጽውዑሉ ዓው ኢሉ ጨደረ።+ ንጉስ ድማ ነቶም ጥበበኛታት ባቢሎን፡ “ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዜንብባን ትርጉማ ዚነግረንን ሰብ፡ ጁዅ ዚሕብሩ ኺለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ኺግበረሉ፡+ ኣብዛ መንግስቲ ኸኣ ሳልሳይ ኰይኑ ኺገዝእ እዩ” በሎም።+ 8 ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ጥበበኛታት ኣተዉ፣ ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጉማ ንንጉስ ኪነግርዎን ግና ኣይከኣሉን።+ 9 ስለዚ፡ ንጉስ ቤልሻጽር ኣዝዩ ፈርሀ፣ ገጹ ኸኣ ጸማልያ መሰለ፣ ልዑላኑ እውን ደንጸዎም።+ 10 ብምኽንያት ቃላት እቲ ንጉስን ልዑላኑን ድማ፡ ንግስቲ ናብቲ ኣዳራሽ ድግስ ኣተወት። ንግስቲ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ኦ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ሓሳባትካ ኣየሸብርካ፣ ገጽካ እውን ኣይጸምሉ። 11 መንፈስ ቅዱሳት ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ* ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ብዘመን ኣቦኻ፡ ከም ጥበብ ኣማልኽቲ ዝበለ ብርሃንን ልቦናን ጥበብን ኣብኡ ተረኺቡ እዩ።+ ኦ ንጉስ፡ ኣቦኻ ንጉስ ነቡካድነጻር ከኣ ሓለቓ እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ከለዳውያንን* ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ገይሩ ሸይምዎ እዩ፣+ ኦ ንጉስ፡ ኣቦኻ ኸምኡ ገይሩ እዩ። 12 እቲ ንጉስ ቤልጥሻጽር ኢሉ ዝሰመዮ ዳንኤልሲ፡+ ንምትርጓም ሕልምታትን ንምግላጽ ሕንቅሕንቅሊተያትን ንምፍታሕ እተሓላለኸ ጸገማትን* ፍሉይ መንፈስን ፍልጠትን ልቦናን ተረኺብዎ እዩ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ዳንኤል ይጸዋዕ፣ ነቲ ትርጉም እውን ኪነግረካ እዩ።” 13 ስለዚ፡ ንዳንኤል ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል ከምዚ በሎ፦ “እቲ ኣቦይ ንጉስ ካብ ይሁዳ ኻብ ዘምጽኦም+ ምሩኻት ይሁዳ+ ዝዀንካ ዳንኤል ንስኻ ዲኻ፧ 14 መንፈስ ኣማልኽቲ ኣባኻ ኸም ዘሎ፡+ ብርሃንን ልቦናን ፍሉይ ጥበብን ከኣ ከም ዚርከበካ ብዛዕባኻ ሰሚዐ ኣለኹ።+ 15 ሕጂ ድማ፡ እቶም ጥበበኛታትን ጸዋዕቲ መናፍስትን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ኼንብብዋን ትርጉማ ኼፍልጡንን ናብ ቅድመይ ኣምጺኦምዎምሲ፡ ትርጉም እዛ መልእኽቲ ኺነግሩኒ ኣይከኣሉን።+ 16 ብዛዕባኻ ግና ትርጉማት ክትነግርን እተሓላለኸ ጸገማት ክትፈትሕን* ከም እትኽእል ሰሚዐ ኣለኹ።+ ሕጂ ድማ፡ ነዛ ጽሕፈት ከተንብባን ትርጉማ ኸተፍልጠንን እንተ ኽኢልካ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ኽትለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ኽትገብር፡ ኣብዛ መንግስቲ ኸኣ ሳልሳይ ኴንካ ኽትገዝእ ኢኻ።”+ 17 ሽዑ፡ ዳንኤል ንንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ህያባትካ ንዓኻ ይኹን፣ ውህበታትካ እውን ንኻልኦት ሃቦ። ግናኸ፡ ነታ ጽሕፈት ንንጉስ ከንብበሉ፡ ትርጉማ እውን ከፍልጦ እየ። 18 ኦ ንጉስ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ንኣቦኻ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሂብዎ።+ 19 ብምኽንያት እቲ ዝሃቦ ዕቤት ድማ ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሂ ራዕራዕ ኢሎም።+ ንዝደለዮ ቐቲሉ፡ ንዝደለዮ እውን ብህይወት ኪነብር ሓዲጉ፣ ንዝደለዮ ልዕል ኣቢሉ፡ ንዝደለዮ እውን ኣዋሪዱ።+ 20 ግናኸ፡ ልቡ ምስ ተዓበየ፡ መንፈሱ ኸኣ ምስ ተረረ እሞ ምስ ተዳፈረ፡+ ካብ ዝፋን መንግስቱ ወሪዱ፡ ክብሩ ድማ ካብኡ ተወሲዱ። 21 ካብ ደቂ ሰብ ከኣ ተሰጒጉ፣ ልቡ ድማ ከም ናይ እንስሳ ዀይኑ፣ ምስ ኣእዱግ በረኻ ኸኣ ይነብር ነይሩ። እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑን ንዝደለዮ ኸም ዜቝሞን ክሳዕ ዚፈልጥ፡ ከም ኣብዑር ዚበልዖ ኣትክልቲ ተዋሂብዎ፡ ሰብነቱ እውን ብኣውሊ ሰማያት ጠልቅዩ።+ 22 “ኣታ ወዱ ቤልሻጽር፡ እዚ ዅሉ ፈሊጥካ ኽነስኻ፡ ልብኻ ኣየትሓትካን። 23 ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ጐይታ ሰማያት ርእስኻ ልዕል ኣቢልካሉ፣+ ኣቕሑ ቤቱ ኸም ዜምጽኡልካ ድማ ጌርካ።+ ሽዑ፡ ንስኻን ልዑላንካን ኣንስቲ ወሰንካን ዕቁባትካን ብእኡ ወይኒ ሰቲኹም፣ ንኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ነሓስን ሓጺንን ዕንጨይትን እምንን፡ ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይርእዩን ሓንቲ እኳ ዘይሰምዑን ሓንቲ እኳ ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ኸኣ ወዲስኩምዎም።+ ነቲ ትንፋስካን ኵሉ መገድታትካን ኣብ ኢዱ ዝዀነ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።+ 24 ስለዚ፡ እታ ኢድ ካብኡ እያ ተላኢኻ፣ እዚ ጽሕፈት እዚ እውን ተጻሒፉ።+ 25 እቲ እተጻሕፈ ጽሕፈት ከኣ እዚ እዩ፦ መኔ፡ መኔ፡ ቴቄል፡ ፋርሲን። 26 “ትርጉም እቲ ቓላት ድማ እዚ እዩ፦ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጺርዎን ወዲእዎን።+ 27 “ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካስ ጐዲልካ ተረኺብካ። 28 “ፌሬስ፡ መንግስትኻ ተመቒላ ንሜዶናውያንን ንፋርሳውያንን ተዋሂባ።”+ 29 ሽዑ፡ ቤልሻጽር ኣዘዘ እሞ፡ ንዳንኤል ጁዅ ዝሕብሩ ኣልበስዎ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳዱ ገበሩሉ፡ ሳልሳይ ገዛኢ እታ መንግስቲ ምዃኑ እውን ብዛዕባኡ ኣወጁ።+ 30 በታ ለይቲ እቲኣ፡ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ።+ 31 ዳርዮስ+ እቲ ሜዶናዊ ኸኣ ወዲ 62 ዓመት ኣቢሉ ኸሎ፡ ነታ መንግስቲ ተቐበላ። 3 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “መሊስካ ኺድ እሞ፡ ከምቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ እናተመልሱን+ ጎጎ ዘቢብ* እናፈተዉን ክነሶም ዜፍቅሮም፡+ ነታ ብኻልእ ሰብኣይ እትፍቀርን እትዝሙን ዘላ ሰበይቲ ኣፍቅራ” በለኒ።+ 2 ስለዚ፡ ብ15 ብሩርን ብሓደ ሖመርን* ፈረቓን ስገምን ንዓይ ዓደግክዋ። 3 ሽዑ፡ “ንብዙሕ መዓልትታት ናተይ ኴንኪ ኽትጸንሒ ኢኺ። ኣይትመንዝሪ፡ ምስ ካልእ ሰብኣይ ከኣ ብስጋ ኣይትራኸቢ፣ ኣነ እውን ምሳኺ ኣብ ዘሎኒ ርክብ ከምኡ ክኸውን እየ”* በልክዋ። 4 ከመይሲ፡ ህዝቢ እስራኤል ብዘይ ንጉስን+ ብዘይ መስፍንን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ሓወልትን ብዘይ ኤፎድን+ ተራፊምን*+ ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም። 5 ድሕሪኡ፡ ህዝቢ እስራኤል ተመሊሶም ንየሆዋ ኣምላኾምን+ ንንጉሶም ዳዊትን+ ኪደልዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ ራዕራዕ እናበሉ ናብ የሆዋን ናብ ሕያውነቱን* ኪመጹ እዮም።+ 7 “ንእስራኤል ኣብ ዘሕውየሉ ግዜ፡ስሕተት ኤፍሬምን+እከይ ሰማርያን እውን ተገሊጹ።+ ንሳቶምሲ የታልሉ እዮም፣+ሰረቕቲ ይኣትዉ፡ ዘመትቲ ጭፍራታት ከኣ ኣብ ወጻኢ ይወርሩ።+ 2 ኣነ ንዅሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ ግና ብልቦም ኣይብሉን።+ ሕጂ ግብርታቶም ኣብ ዙርያኦም ኣሎ፣ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከኣ ኣሎ። 3 ንንጉስ ብእከዮም፡ንመሳፍንቲ ብምትላሎም የሐጕሱ። 4 ኵላቶም ዘመውቲ፡ከምቲ ሰንካቲ፡ ሓዊ ዝኣጐደሉ እቶን ዝረሰኑ እዮም፣ንሱ ድማ ብሑቝ ምስ ለወሰ ኽሳዕ ዚበኵዕ ነቲ ሓዊ ምቝስቋሱ ይሓድጎ። 5 ብመዓልቲ ንጉስና፡ መሳፍንቲ ሓሚሞም ኣለዉ፣—ብሰሪ ወይኒ ነዲሮም ኣለዉ።+ ንሱ ድማ ኢዱ ናብ መላገጽቲ ዘርጊሑ ኣሎ። 6 ንሳቶምሲ ልቦም ከም እቶን እናነደደ ይቐርቡ።* ምሉእ ለይቲ ሰንካቲ ይድቅስ፣ንግሆ ድማ እቲ እቶን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ይነድድ። 7 ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፣ንገዛእቶም* ከኣ ይውሕጥዎም። ኵሎም ነገስታቶም ወዲቖም ኣለዉ፣+ካባታቶም ሓደ እኳ ዚጽውዓኒ የልቦን።+ 8 ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ይጽምበር።+ ኤፍሬም ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ። 9 ካልኦት ንሓይሉ በሊዖምዎ፣+ ንሱ ግና ኣይፈለጦን። ሽበት መልኦ፣ ንሱ ግና ኣየስተብሃሎን። 10 ትምክሕቲ እስራኤል ኣንጻሩ መስኪሩ ኣሎ፣+ንሳቶም ግና ናብ የሆዋ ኣምላኾም ኣይተመልሱን፣+እዚ ዅሉ ዀይኑ ኽነሱ እውን ንዕኡ ኣይደለይዎን። 11 ኤፍሬም ከም ልቢ ዘይብላ ዓሻ ርግቢ እዩ።+ ንሳቶም ንግብጺ ጸዊዖም፣+ ናብ ኣሶር ድማ ከይዶም።+ 12 ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊኦም መርበበይ ክዝርግሕ፡ከም ኣዕዋፍ ሰማያት ከውርዶም፡ከምቲ ንኣኼባኦም እተነግረ መጠንቀቕታ ድማ ክግስጾም እየ።+ 13 ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦም! በዲሎምኒ እዮም እሞ፡ ይጥፍኡ! ኣነስ ክብጀዎም ተዳልየ ነይረ፣ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛሪቦምለይ።+ 14 ኣብ ዓራቶም ኰይኖም ዋይዋይ ይብሉ እኳ እንተ ኣለዉ፡ካብ ልቦም ናባይ ኣይተማህለሉን።+ ብሰንኪ እኽሎምን ጕዕሽ ወይኖምን ገዛእ ርእሶም ይበጥሑ ኣለዉ፣ኣንጻረይ ኰይኖም ኣለዉ። 15 ዋላ እኳ እንተ ገሰጽክዎምን ቀላጽሞም እንተ ኣበርታዕኩን፡እከይ ብምሕሳብ፡ ኣንጻረይ ኰይኖም ኣለዉ። 16 መገዲ ለዊጦም፣ ግናኸ ናብ ዝለዓለ* ኣይኰነን፣ከም ዝዘለቐ ቐስቲ ዘየተኣማምኑ ዀይኖም እዮም።+ መሳፍንቶም ብሰንኪ ዚዳፈር ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። በዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ መላገጺ ኪዀኑ እዮም።”+ 12 “ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ ኣሎ። ምሉእ መዓልቲ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ይጐዪ ኣሎ። ሓሶትን ዓመጻን የብዝሕ ኣሎ። ምስ ኣሶር ኪዳን ይኣትዉ፡+ ናብ ግብጺ እውን ዘይቲ ይወስዱ ኣለዉ።+ 2 የሆዋ ምስ ይሁዳ ጕዳይ ኣለዎ፣+ንያእቆብ ከምቲ መገድታቱ ተሓታቲ ኺገብሮ፡ከም ግብርታቱ ድማ ኪፈድዮ እዩ።+ 3 ኣብ ማሕጸን ንሓዉ ብሸዀናኡ ሒዝዎ፣+ብሓይሉ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተቓሊሱ።+ 4 ምስ መልኣኽ ተቓሊሱ ኣሕሚቑ። በኽዩ ድማ ሞገሱ ለሚኑ።”+ ንሱ ኣብ ቤት-ኤል ረኺብዎ፡ ኣብኡ እውን ተዛሪቡና፣+ 5 ንሱ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡+ስም መዘከርታኡ* ኸኣ የሆዋ እዩ።+ 6 “ስለዚ፡ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ፣+ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍትሕን ሓሉ፣+ወትሩ ድማ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር። 7 ኣብ ኢድ ነጋዳይ ግና መታለሊ ሚዛን ኣሎ፣ንሱ ምዕማጽ ይፈቱ እዩ።+ 8 ኤፍሬም፡ ‘ብርግጽ ሃብቲመ፣+ሃብቲ ረኺበ።+ ኣብ ኵሉ ጻዕረይ፡ ጌጋ ዀነ ሓጢኣት ኣይኪረኽቡለይን እዮም’ ይብል ኣሎ። 9 ኣነ ግና ካብ ምድሪ ግብጺ ኣትሒዘ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+ ከምቲ ብመዓልትታት ምዱብ ግዜ፡*ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ከንብረካ እየ። 10 ንነብያት ተዛሪበ፣+ራእያቶም ኣብዚሐ፣ብነብያት ገይረ እውን ምሳሌታት ተዛሪበ። 11 ምስ ጊልዓድ ምትላልን* ሓሶትን ኣሎ።+ ኣብ ጊልጋል ኣብዑር ሰዊኦም እዮም።+ መሰውኢታቶም ከኣ ኣብ ነግሕታት ግራት ከም እተዀመረ ኣእማን እዩ።+ 12 ያእቆብ ናብ ሃገር* ኣራም* ሃዲሙ፣+እስራኤል+ ምእንቲ ሰበይቲ ኣብኡ ተገዚኡ፣+ምእንቲ ሰበይቲ እውን ኣባጊዕ ሓልዩ።+ 13 የሆዋ ንእስራኤል ብነብዪ ኻብ ግብጺ ኣደይብዎ፣+ብነብዪ ድማ ተሓልዩ።+ 14 ኤፍሬም ኣምሪሩ ኸም ዚዅሪ ገይርዎ፣+ዕዳ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፣ጐይታኡ ኸምቲ ጸርፉ ኺፈድዮ እዩ።”+ 1 ብዘመን ዑዝያን+ ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን+ እቶም ነገስታት ይሁዳን+ ብዘመን የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ+ ንጉስ እስራኤልን፡ ንሆሴእ* ወዲ ብኤሪ ዝመጾ ቓል የሆዋ እዚ እዩ። 2 የሆዋ ብሆሴእ ኣቢሉ ቓሉ ኺዛረብ ምስ ጀመረ፡ የሆዋ ንሆሴእ፡ “እዛ ምድሪ ብምንዝርናኣ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ጠሪሳ ርሒቓ ኣላ እሞ፡ ኪድ ሰበይቲ ምንዝርና ተመርዖ፡ ውሉዳት ምንዝርና እውን ይሃልዉኻ” በሎ።+ 3 ስለዚ፡ ንሱ ኸደ እሞ፡ ንጎሜር ጓል ዲብላይም ተመርዓዋ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደትሉ። 4 ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ንቤት የሁ+ በቲ ምፍሳስ ደም ይዝርኤል* ተሓታቲት ክገብራ፡ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል እውን መወዳእታ ኽገብረላ እየ እሞ፡ ይዝርኤል ኢልካ ስመዮ።+ 5 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቀስቲ እስራኤል ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል ክሰብር እየ።” 6 ከም ብሓድሽ ድማ ጠነሰት፡ ጓል እውን ወለደት። ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ንቤት እስራኤል ብርግጽ ክሰጕጎም እየ እምበር፡+ ደጊም ኣይክምሕሮምን እየ እሞ፡ ሎ-ሩሓማ* ኢልካ ስመያ።+ 7 ንቤት ይሁዳ ግና ክምሕሮም እየ፣+ ብየሆዋ ኣምላኾም ከኣ እየ ዘድሕኖም እምበር፡+ ብቐስቲ፡ ወይ ብሰይፊ፡ ወይ ብውግእ፡ ወይ ብኣፍራስ፡ ወይ ብፈረሰኛታት ኣይከድሕኖምን እየ።”+ 8 ንሎ-ሩሓማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ ድማ፡ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። 9 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ ኣነ እውን ናታትኩም ኣይክኸውንን እየ እሞ፡ ሎ-ዓሚ* ኢልካ ስመዮ። 10 “ቍጽሪ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ከምቲ ኺስፈር ወይ ኪቝጸር ዘይከኣል ሑጻ ባሕሪ ኪኸውን እዩ።+ ኣብታ፡ ‘ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን’ እተባህለትሎም ቦታ ድማ፡+ ‘ደቂ እቲ ህያው ኣምላኽ’ ኪብሃሉ እዮም።+ 11 መዓልቲ ይዝርኤል ዓባይ ክትከውን እያ እሞ፡+ ህዝቢ ይሁዳን ህዝቢ እስራኤልን ብሓድነት ኪእከቡ፡+ ሓደ ርእሲ ድማ ኪሓርዩ፡ ካብታ ምድሪ እውን ኪወጹ እዮም። 8 “መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር!+ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፡+ ሕገይ እውን ጥሒሶም እዮም እሞ፡+ጸላኢ ኸም ንስሪ ኣንጻር ቤት የሆዋ ይመጽእ ኣሎ።+ 2 ንሳቶም፡ ‘ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና!’ ኢሎም ናባይ የእውዩ ኣለዉ።+ 3 እስራኤል ንጽቡቕ ደርብይዎ ኣሎ።+ ጸላኢ ይስጐጎ። 4 ነገስታት ኣንጊሶም ኣለዉ፣ ብኣይ ግና ኣይኰነን። መሳፍንቲ ሸይሞም ኣለዉ፣ ኣነ ግና ኣይፈልጦምን እየ። ንጥፍኣቶምሲ+ ብብሩሮምን ብወርቆምንጣኦታት ገይሮም ኣለዉ።+ 5 ኣታ ሰማርያ፡ ምራኽካ ተደርብዩ እዩ።+ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነዲዱ እዩ።+ ክሳዕ መዓስ እዮም ንጹሃት ኪዀኑ ዘይክእሉ፧ 6 እዝስ ካብ እስራኤል እዩ። ኢደ ጥበበኛ እዩ ገይርዎ፣ ኣምላኽ ከኣ ኣይኰነን። ምራኽ ሰማርያ ፍንጭልጫል ኪኸውን እዩ። 7 ከመይሲ፡ ንፋስ ይዘርኡ ኣለዉ፣ህቦብላ ድማ ኪዓጽዱ እዮም።+ ብሱል* እኽሊ ዜፍሪ ብርዒ የልቦን፣+ዚበቍል ዘበለ ኸኣ ሓርጭ ኣየፍርን እዩ። እንተ ኣፍርዩ እውን፡ ጓኖት ኪውሕጥዎ እዮም።+ 8 እስራኤል ኪውሓጥ እዩ።+ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡+ከም ዘይድለ ኣቕሓ ኪዀኑ እዮም። 9 በይኑ ኸም እተፈልየ ኣድጊ በረኻስ፡ ናብ ኣሶር ደዪቦም ኣለዉ።+ ኤፍሬም ኣፍቀርቲ ቘጺሩ ኣሎ።+ 10 ካብ መንጎ ኣህዛብ እኳ እንተ ቘጸርዎም፡ሕጂ ኣነ ኽእክቦም እየ፣ብሰሪ እቲ ንጉስን መሳፍንትን ዝጸዓንዎም ጾር ምስቓይ ኪጅምሩ እዮም።+ 11 ኤፍሬምሲ ንምሕጣእ መሰውኢታት ኣብዚሑ ኣሎ።+ ንምሕጣእ ዚኸውን መሰውኢታት ኣለዎ።+ 12 ብዙሕ ሕግታተይ* ጽሒፈሉ እየ፣ግናኸ፡ ከም ስግንጢር እዩ ተቘጺሩ።+ 13 ንመባአይ መስዋእቲ የቕርቡ፣ ነቲ ስጋ ኸኣ ይበልዕዎ፣የሆዋ ግና ብኣታቶም ባህ ኣይብሎን እዩ።+ ሕጂ ስሕተቶም ኪዝክር፡ ብሰሪ ሓጢኣቶም ድማ ኪቐጽዖም እዩ።+ ገጾም ናብ ግብጺ መሊሶም ኣለዉ።*+ 14 እስራኤል ንገባሪኡ ረሲዕዎ፡+ ኣብያተ መቕደስ ከኣ ሃኒጹ፣+ይሁዳ ድማ እተዓርዳ ኸተማታት ኣብዚሑ።+ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ንሱ እውን ንግምብታቱ ኺበልዖ እዩ።”+ 11 “ንእስራኤል ቈልዓ ኸሎ፡ ኣፍቂረዮ፣+ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ።+ 2 ንሳቶም* ብዝያዳ ብዝጸውዕዎም መጠን፡ካባታቶም ብዝያዳ ርሒቖም።+ ንምስልታት በዓል ሰዊኦም፣+ንቕሩጽ ምስልታት ከኣ መስዋእቲ ኣቕሪቦም።+ 3 ግናኸ፡ ንኤፍሬም ዘታተኽዎ ኣነ እየ፣+ ብቕልጽመይ እውን ሓቚፈዮም፣+ከም ዘሕወኽዎም ድማ ኣይፈለጡን። 4 ብኣግማድ ሰብ፡* ብድባራታት ፍቕሪ ስሒበዮም፣+ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰይነዮም፣ብልእመት እውን ንነፍሲ ወከፍ ብልዒ ኣቕሪበ። 5 ናብ ምድሪ ግብጺ ኣይኪምለሱን እዮም፣ናባይ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ግና፡+ ኣሶር ንጉሶም ኪኸውን እዩ።+ 6 ሰይፊ ኣንጻር ከተማታቱ ኽትወናጨፍ፡+ንተገዳማቱ ኸተጥፍእ፡ ብሰንኪ ተንኰሎም ከኣ ክትውሕጦም እያ።+ 7 ህዝበይ ኪጠልሙኒ ኣንቂዶም እዮም።+ ናብ ላዕሊ* እኳ እንተ ጸውዕዎም፡ ሓደ እኳ ዚትንስእ የልቦን። 8 ኣታ ኤፍሬም፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ዝሓድገካ፧+ ኣታ እስራኤል፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ኣሕሊፈ ዝህበካ፧ ከመይ ገይረ እየ እሞ ኸም ኣድማ ዝገብረካ፧ ከመይ ገይረኸ እየ ኸም ጸቦኢም ዝገብረካ፧+ ልበይ ተለዊጡ እዩ፣ርሕራሐይ እውን ተለዓዒሉ* እዩ።+ 9 ዚነድድ ቍጥዓይ ኣይከውጽኦን እየ። ንኤፍሬም ደጊም ኣይከጥፍኦን እየ፣+ኣነስ ኣምላኽ እየ፡ ሰብ ድማ ኣይኰንኩን፣ኣብ ማእከልካ ኸኣ እቲ ቕዱስ እየ፣ብነድሪ እውን ኣይክመጸካን እየ። 10 ንሳቶም ደድሕሪ የሆዋ ኪኸዱ እዮም፣ ንሱ እውን ከም ኣንበሳ ኺጓዝም እዩ፣+ምስ ጓዘመ፡ ደቁ ራዕራዕ እናበሉ ኻብ ምዕራብ ኪመጹ እዮም።+ 11 ካብ ግብጺ ኺመጹ ኸለዉ፡ ከም ዑፍ፡ካብ ምድሪ ኣሶር ከም ዝወጸት ርግቢ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+ኣብ ኣባይቶም ድማ ከስፍሮም እየ” ይብል የሆዋ።+ 12 “ኤፍሬም ብሓሶት፡ቤት እስራኤል ከኣ ብምትላል ከቢቦምኒ ኣለዉ።+ ይሁዳ ግና ገና ምስ ኣምላኽ ይመላለስ ኣሎ፣ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ድማ እሙን እዩ።”+ 2 “ንኣሕዋትኩም፡ ‘ህዝበይ!’*+ ንኣሓትኩም ከኣ፡ ‘እተማሕረት!’* በሉ።+ 2 ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኰነትን፡+ ኣነ እውን ሰብኣያ ኣይኰንኩን እሞ፡ንዓኣ ኽሰስዋ፡ ክሰስዋ። ምንዝርናኣ ኻብኣ፡ዝሙታ ድማ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ፣ 3 እንተ ዘይኰነስ፡ ቀንጢጠ ጥራያ ኽገብራ፡ ከምቲ በታ እተወልደትላ መዓልቲ ዝነበረቶ ኽገብራ፡ከም በረኻ ኽገብራ፡ማይ ናብ ዘይብሉ ምድሪ ክቕይራ፡ብጽምኢ እውን ክቐትላ እየ። 4 ደቃ ኸኣ ደቂ ምንዝርና እዮም እሞ፡ኣይክምሕሮምን እየ። 5 ከመይሲ፡ ኣዲኦም መንዚራ እያ።+ እታ ዝጠነሰቶም ድማ ዜሕፍር ተግባር ገይራ እያ፣+ንሳስ፡ ‘ደድሕሪ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኒ፡+ደድሕሪ እቶም እንጌራይን ማየይን፡ ጸምረይን በፍታይን፡ዘይተይን መስተይን ዚህቡኒ ክኸይድ እየ’ ኢላ እያ። 6 ስለዚ፡ ጐደናኺ ብሓጹር እሾዅ ክሓጽሮ እየ፣መገድታታ ኸይትረኽቦስ፡ቀጽሪ ክዅምረላ እየ። 7 ደድሕሪ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ ኽትስዕብ፡ ግናኸ ኣይከተርክቦምን እያ፣+ክትደልዮም፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ፡ ‘ካብ ሕጅስ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፡+ክኸይድ፡ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ እውን ክምለስ እየ’ ኽትብል እያ።+ 8 እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን ዝሃብክዋ፡ብሩርን ንበዓል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ወርቅን+ኣብዚሐ ዝሃብክዋ ኣነ ምዃነይ ኣይፈለጠትን።+ 9 ‘ስለዚ፡ ብግዜኡ ንእኽለይ፡ብወቕቱ ድማ ንጕዕሽ ወይነይ ተመሊሰ ኽወስዶ እየ፣+ነቲ ዕርቃና ዚኸድን ጸምረይን በፍታይን እውን ክምንዝዓ እየ። 10 ሕጂ ኸኣ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ ኣጸቢቖም እናረኣዩ ሕፍረታ ክቐልዓ እየ፣ካብ ኢደይ ዘናግፋ ድማ ሓደ እኳ የልቦን።+ 11 ንዅሉ ሓጐሳን በዓላታን+ ሰርቂ ኣዋርሓንሰናብታን ኵሉ ቕነ በዓላታን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። 12 ነቲ፡ “እዚ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኒ ዝሃቡኒ ዓስበይ እዩ” ዝበለቶኣታኽልቲ ወይናን ኣእዋም በለሳን ከጥፍኦ እየ፣ናብ ዱር ክቕይሮ እየ፣እንስሳታት መሮር ከኣ ኪበልዕዎ እዮም። 13 ብሰንኪ እተን ንምስልታት በዓል ዝሰውኣትለን መዓልትታት ተሓታቲት ክገብራ እየ፣+በቲ ግዜ እቲ፡ ብቐላብትን ብስልማትን ተሰሊማ፡ ደድሕሪ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዋ ስዒባ፣ንዓይ ከኣ ረሲዓትኒ’+ ይብል የሆዋ። 14 ‘ስለዚ፡ ከእምና፡ናብ በረኻ ኽመርሓ፡ልባ ንምምራኽ ድማ ክዛረብ እየ። 15 ካብ ሽዑ ንደሓር ኣታኽልቲ ወይና ኽመልሰላ፡+ስንጭሮ* ዓኮር+ ከኣ ከም ኣፍ ደገ ተስፋ መሊሰ ኽህባ እየ፣ከምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፡ከምቲ በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኣብኡ ኽትምልስ እያ።+ 16 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ’ ይብል የሆዋ፡‘ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፣ ደጊም እውን ጐይታይ* ኢልኪ ኣይክትጽውዕንን ኢኺ።’ 17 ‘ስማት ምስልታት በዓል ካብ ኣፍኪ ኸርሕቕ እየ፣+ደጊም ከኣ ብስሞም ኣይኪዝከሩን እዮም።+ 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ምስ ኣራዊት መሮርን+ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምቲ ምድርን ኪዳን ክኣትወሎም እየ፣+ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ከርሕቕ እየ፣+ብደሓን እውን በጥ ከብሎም* እየ።+ 19 ንዘለኣለም ክሕጸየኪ እየ፣ብጽድቅን ብፍትሕንብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕርን ብምሕረትን ክሕጸየኪ እየ።+ 20 ብተኣማንነት ክሕጸየኪ እየ፣ንየሆዋ ኸኣ ብርግጽ ክትፈልጥዮ ኢኺ።’+ 21 ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክምልስ እየ’ ይብል የሆዋ፡‘ንሰማያት ክምልሰሎም እየ፣ንሳቶም ድማ ንምድሪ ኺምልሱላ እዮም፣+ 22 ምድሪ ኸኣ ንእኽልን ንጕዕሽ ወይንን ንዘይትን ክትምልሰሉ እያ፣እዚ እውን ንይዝርኤል* ኪምልሰሉ እዩ።+ 23 ከም ዘርኢ ኣብ ምድሪ ንዓይ ክዘርኣ እየ፣+ነታ ዘይተማሕረት* ከኣ ክምሕራ እየ፣ነቲ ዘይህዝበይ* ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፣+ንሱ እውን “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ” ኺብል እዩ።’”+ 4 ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፣ኣብዛ ምድሪ ሓቅን ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ፍልጠት ኣምላኽን የልቦን እሞ፡+የሆዋስ ኣንጻር ነበርቲ እዛ ምድሪ ጕዳይ ኣለዎ።+ 2 ናይ ሓሶት ማሕላን ሓሶትን+ ቅትለትን+ስርቅን ዝሙትን+ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣ምፍሳስ ደም ከኣ ንምፍሳስ ደም ይስዕቦ ኣሎ።+ 3 ስለዚ፡ እዛ ምድሪ ኽትሓዝን እያ፣+ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ነባሪ ድማ ኪምህምን እዩ፣እንስሳታት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን፡አረ ዓሳ ባሕሪ እውን ኪጠፍኡ እዮም። 4 “ግናኸ፡ ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚማጐት እዩ እሞ፡+ሓደ እኳ ኣይማጐት ወይ ኣይግናሕ።+ 5 ስለዚ፡ ቀትሪ ምድሪ ኽትዕንቀፍ ኢኻ፣ነብዪ ኸኣ ምሳኻ፡ ከም ብለይቲ ኺዕንቀፍ እዩ። ኣነ እውን ንኣዴኻ ስቕ ከብላ* እየ። 6 ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ስቕ ኪብል* እዩ። ፍልጠት ስለ ዝኣበኻ፡+ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ፣ሕጊ* ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ ድማ፡+ኣነ እውን ንደቅኻ ኽርስዖም እየ። 7 ብዝበዝሑ መጠን፡ ኣብዚሖም በዲሎምኒ።+ ክብሮም ናብ ውርደት ክልውጦ እየ።* 8 ሓጢኣት ህዝበይ ይምገቡ፡ንስሕተቶም ከኣ ይሃርፍዎ።* 9 ከምቲ ንኻህን፡ ከምኡ ድማ ንህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ብሰሪ መገድታቶም ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣ሳዕቤናት ተግባራቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ከምጽኣሎም እየ።+ 10 ኪበልዑ፡ ግናኸ ኣይኪጸግቡን እዮም።+ ንየሆዋ ግዱ ስለ ዘይብሎም፡ምንዝርና ኼብዝሑ፡ ግናኸ ኣይኪበዝሑን እዮም።+ 11 ምንዝርናን ወይንን ጕዕሽ ወይንንቅኑዕ ድራኸ የጥፍእ።*+ 12 መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም እዩ፡ብምንዝርናኦም እውን ንኣምላኾም ተገዛእቱ ምዃን ኣብዮም እዮም እሞ፡ህዝበይ ንጣኦታት ዕንጨይቲ ይሓትቱ፡በትሮም* ዝበሎም ከኣ ይገብሩ። 13 ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፡+ኣብ ኵርባታት ከኣ ይዓጥኑ፣ጽላሎም ጽቡቕ ስለ ዝዀነ ድማ፡ኣብ ትሕቲ ገዘፍቲ ኣእዋምን ኣእዋም ሊብነን ኵሉ ዓብዪ ኦምን ከምኡ ይገብሩ።+ ስለዚ፡ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፡ኣንስቲ ደቅኹም ይዝምዋ። 14 ሰብኡት ምስ ኣመናዝር ይኸዱ፡ምስ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ከኣ ይስውኡ እዮም እሞ፡ንኣዋልድኩም ብሰሪ ምንዝርናአን፡ንኣንስቲ ደቅኹም እውን ብምንዝርናአን ተሓተትቲ ኣይክገብረንን እየ። ከምዚ ዝበለ ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝብስ+ ኪጠፍእ እዩ። 15 ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እኳ እንተ መንዘርካ፡+ይሁዳ ኣይበድል።+ ናብ ጊልጋል+ ወይ ናብ ቤት-ኣዌን+ ኣይትምጽኡ፣‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢልኩም እውን ኣይትምሓሉ።+ 16 እስራኤልሲ ኸም ሕንግድ ኣርሒ ሓንጊዱ ኣሎ።+ እሞኸ ሕጂ የሆዋ ኸም ገንሸልዶ* ኣብ ገፊሕ መጓሰዪ* ኺጓስዮም እዩ፧ 17 ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሓቢሩ እዩ።+ ሕደጎ! 18 ስዋኦም* ምስ ተወድአ፡ምንዝርና የብዝሑ። ገዛእታ* ኸኣ ውርደት ኣዝዮም ይፈትዉ።+ 19 ንፋስ ኣብ ኣኽናፉ ኺጥቕልላ* እዩ፣ንሳቶም እውን ብመስዋእቶም ኪሓፍሩ እዮም።” 6 “ንሱ ሰላሊዑና፡+ ግናኸ ኼሕውየና እዩ፡ንሱ ወቒዑና፡ ግናኸ ንኣቝሳልና ኺዝንን እዩ እሞ፡ንዑናይ ናብ የሆዋ ንመለስ። 2 ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኬተንስኣና እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ክንነብር ኢና። 3 ንየሆዋ ኽንፈልጦ፡ ንምፍላጡ ተሃንጢና ኽንደልዮ ኢና። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ከም ዝናም፡ከምቲ ንምድሪ ዜርዊ ዝናም ጽብሓት ኪመጸና እዩ።” 4 “ኣታ ኤፍሬም፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧ ኣታ ይሁዳ፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧ ብተኣማንነት እተርእይዎ ፍቕርኹምሲ ኸም ደበናታት ንግሆ፡ከምቲ ቐልጢፉ ዚጠፍእ ኣውሊ እዩ። 5 ስለዚ፡ ብነብያት ክቘርጾም፡+ብቓላት ኣፈይ እውን ክቐትሎም እየ።+ ፍርድታትካ ድማ ከም ብርሃን ኪበርህ እዩ።+ 6 ከመይሲ፡ ብመስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ፡*ብምሉኡ ብዚሓርር መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ብፍልጠት ኣምላኽ እዩ ደስ ዚብለኒ።+ 7 ንሳቶም ግና፡ ከም ሰብ፡ ኪዳን ጥሒሶም እዮም።+ ኣብኡ ጠሊሞምኒ እዮም። 8 ጊልዓድ ብኣሰራት ደም እተኸድነት+ከተማ ገበርቲ እከይ እያ።+ 9 እቶም ጕጅለ ኻህናት ከም ዘመትቲ ጭፍራታት ንሰብ የድብዩሉ። ተግባሮም ዜሕፍር እዩ እሞ፡ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ።+ 10 ኣብ ቤት እስራኤል ዜሰክሕ ነገር ርእየ ኣለኹ። ኣብኡ ኤፍሬም ይምንዝር፣+እስራኤል ከኣ ረኺሱ ኣሎ።+ 11 ንምሩኻት ህዝበይ ምስ መለስክዎም፡ኣታ ይሁዳ፡ ንዓኻ እውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።”+ 10 “እስራኤል ፍሪኡ ዚፈሪ ብልሹው* ተኽሊ ወይኒ እዩ።+ ፍሪኡ ብዝበዝሐ መጠን፡ መሰውኢታቱ የብዝሕ፣+ምድሩ ዝጸበቐ ብዘፍረየት መጠን፡ ሓወልትታት ኣምልኾኡ የጸብቕ።+ 2 ልቦም ግቡዝ* እዩ፣ሕጂ ገበነኛታት ኰይኖም ኪርከቡ እዮም። ንመሰውኢታቶም ዚሰባብሮ፡ ንሓወልትታቶም ከኣ ዜጥፍኦ ኣሎ። 3 ሕጂ፡ ‘ንየሆዋ ኣይፈራህናዮን እሞ፡ ንጉስ የብልናን።+ ንጉስከ እንታይ ኪገብረና ይኽእል፧’ ኪብሉ እዮም። 4 ባዶ ቓላት ይዛረቡ፡ ብሓሶት ይምሕሉ፡+ ኪዳን ድማ ይኣትዉ፣ስለዚ፡ እቲ ዚወጽእ ፍርዲ ኸምቲ ኣብ ነግሕታት ግራት ዘሎ መርዛም ጻህያይ እዩ።+ 5 ነበርቲ ሰማርያ ንጣኦት ምራኽ ቤት-ኣዌን ኪፈርህዎ እዮም።+ ካባታቶም ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ህዝቡ ብእኡ ኺሓዝኑ እዮም፣ብእኡን ብኽብሩን እተሓጐሱ ኻህናት ጓኖት ኣማልኽቱ እውን ከምኡ። 6 ንዓብዪ ንጉስ ህያብ ኪኸውን ናብ ኣሶር ኪውሰድ እዩ።+ ኤፍሬም ኪሓፍር እዩ፣እስራኤል ከኣ በቲ ዝሰዓቦ ምኽሩ ኺሓንኽ እዩ።+ 7 ቈጫዕ ከም ዝበለ ውልዶ ኣብ ገጽ ማያት፡ሰማርያ ምስ ንጉሳ ብርግጽ ክትጠፍእ* እያ።+ 8 በረኽቲ ቤት-ኣዌን፡+ ሓጢኣት እስራኤል፡+ ኪጠፍእ እዩ።+ እሾዅን ተዀርባን ኣብ መሰውኢታቶም ኪበቍል እዩ።+ ንኣኽራን፡ ‘ክደኑና!’+ ንዅርባታት እውን፡ ‘ኣብ ልዕሌና ውደቑ!’ ኺብልዎም እዮም። 9 ኣታ እስራኤል፡ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ኣትሒዝካ ሓጢእካ ኢኻ።+ ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ጸኒዖም። ነቶም ደቂ ዓመጻ ኣብ ጊብዓ ውግእ ኣየርከቦምን።* 10 ባህ ምስ በለኒ፡ ኣነ እውን ክግስጾም እየ። ክልተ ስሕተቶም ምስ ተጻዕኖም ከኣ፡*ህዝብታት ኣንጻሮም ኪእከቡ እዮም። 11 ኤፍሬም መኼዳ እትፈቱ ዝለመደት ኣርሒ እዩ፣ስለዚ፡ ነቲ ጽቡቕ ክሳዳ ንሒፈዮ። ሕጂ ንኤፍሬም ዚውጥሖ* ኽገብረሉ እየ።+ ይሁዳ ኺሓርስ፡ ያእቆብ እውን ድንኵል ኪሰብር እዩ። 12 ንዓኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ድማ ዕጸዱ። ንየሆዋ እትደልዩሉ ግዜ ኸሎ፡+ክሳዕ ዚመጽእን ጽድቂ ኽሳዕ ዚምህረኩምን፡+ንዓኻትኩም ዚሕረስ ምድሪ ሕረሱ።+ 13 ግናኸ፡ ብመገድኻ፡ብብዝሒ ጀጋኑኻ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡እከይ ሓሪስኩም፡ዓመጻ ዓጺድኩም፡+ፍረ ምትላል እውን በሊዕኩም ኣለኹም። 14 ከምቲ ሰልመን ንቤት ኣርብኤል ኬጥፍኣ ኸሎ፡በታ መዓልቲ ውግእ ኣዴታት ምስ ደቀን እተሓምሸሻ፡ኣንጻር ህዝብኻ ያዕያዕታ ኺልዓል፡እተን እተዓርዳ ኸተማታትካ ኸኣ ኪጠፍኣ እየን።+ 15 ኣቱም ቤት-ኤል፡ ብሰሪ ሕሰም እከይኩም ከምኡ ኽትግበሩ ኢኹም።+ ምስ ወግሐ፡ ንጉስ እስራኤል ብርግጽ ኪቕተል* እዩ።”+ 14 “ኣታ እስራኤል፡ ብስሕተትካ ተዓንቂፍካ ኢኻ እሞ፡ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ተመለስ።+ 2 ናብ የሆዋ በዚ ቓላት እዚ ተመለሱ፣ከምዚ እውን በልዎ፦ ‘ስሕተትና ሕደገልና፡+ ሰናይ ከኣ ተቐበል፣ንሕና እውን ውዳሰ ኸናፍርና+ ኸም ዝራብዓት ጌርና ኸነቕርብ* ኢና። 3 ኣሶር ኣይኬድሕነናን እዩ።+ ኣብ ኣፍራስና ኣይክንውጣሕን ኢና፣+ድሕርዚ ድማ፡ ንግብሪ ኣእዳውና፡ “ኦ ኣምላኽና!” ኣይክንብልን ኢና፣ዘኽታም ምሕረት ዝረኸበስ ብኣኻ እዩ።’+ 4 ጥልመቶም ከሕዊ እየ።+ ቍጥዓይ ካባታቶም ስለ እተመልሰ፡+ብፍታወይ ከፍቅሮም እየ።+ 5 ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክዀኖ እየ፣ከም ዕምባባ ሹሻን ኪዕምብብ፡ከም ኣእዋም ሊባኖስ ድማ ሰራውሩ ኺሰድድ እዩ። 6 ውልዶታቱ ኺዝርጋሕ፡ግርማኡ ኸም ኦም ኣውልዕ ኪኸውን፡መዓዛኡ ኸም ናይ ሊባኖስ ኪኸውን እዩ። 7 ከም ብሓድሽ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኪቕመጡ እዮም። እኽሊ ኼብቍሉ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ድማ ኪጥጥዑ እዮም።+ ዝናኡ* ኸም ወይኒ ሊባኖስ ኪኸውን እዩ። 8 ኤፍሬም ከኣ፡ ‘ደጊምከ ምስ ጣኦታት እንታይ ዝገብሮ ኣሎኒ፧’ ኪብል እዩ።+ ኣነ ድማ ክምልስን ክሕልዎን እየ።+ ከም ልሙዕ ኦም ጽሕዲ* ክኸውን እየ። ካባይ ፍረኻ ኺርከብ እዩ።” 9 ጥበበኛ መን እዩ፧ ነዚ ይረድኣዮ። ኣስተውዓሊ መን እዩ፧ ነዚ ይፍለጦ። መገድታት የሆዋስ ቅኑዕ እዩ፣+ጻድቃን ከኣ ብእኡ ኺመላለሱ እዮም፣ኣበስቲ ግና ብእኡ ኺዕንቀፉ እዮም። 9 “ኣታ እስራኤል፡ ኣይትተሓጐስ፣+ከም ህዝብታት ሕጉስ ኣይትኹን። ንስኻስ ብምንዝርና ኻብ ኣምላኽካ ርሒቕካ ኢኻ።+ ኣብ ኵሉ ዓውዲ እኽሊ ኸኣ ዓስቢ ኣመንዝራ ፈቲኻ ኢኻ።+ 2 ዓውድን መጽመቝ ወይንን ግና ኣይኪምግቦምን እዩ፣ጕዕሽ ወይኒ እውን ኪጠልማ እዩ።+ 3 ንሳቶም ኣብ ምድሪ የሆዋ ኣይኪቕመጡን እዮም፣+የግዳስ፡ ኤፍሬም ናብ ግብጺ ኺምለስ፡ኣብ ኣሶር ድማ ርኹስ ዘበለ ኺበልዕ እዩ።+ 4 ደጊም ንየሆዋ መስዋእቲ ወይኒ ኣይኬፍስሱሉን እዮም፣+መስዋእቶም ባህ ኣይኬብሎን እዩ።+ ከም እንጌራ ሓዘን እዮም፣ኵሎም እቶም ዚበልዕዎ ኺረኽሱ እዮም። እንጌራኦምሲ ንዓታቶም* ጥራይ እዩ፣ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣይኪኣቱን እዩ። 5 ብመዓልቲ ምርኻብ፡*ብመዓልቲ በዓል የሆዋ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧ 6 እንሆ፡ ንሳቶምሲ ብሰሪ ጥፍኣት ኪሃድሙ እዮም።+ ግብጺ ኽትእክቦም፡+ ሞፍ ድማ ክትቀብሮም እያ።+ ነቲ ኽቡር ነገራቶም ኣምዐ ኺወርሶ፡ኣብ ድንኳናቶም ከኣ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ኪኸውን እዩ። 7 መዓልትታት ምጽብጻብ ኪመጻ፡+መዓልትታት ሕነ ድማ ኪመጻ እየን፣እስራኤል እውን ኪፈልጦ እዩ። ነብያቶም ዓያሹ ኪዀኑ፡ ብመንፈስ ዚድረኽ ሰብ ከኣ ኪዓብድ እዩ፣ስሕተትካ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ኢኻ እትጽላእ።” 8 ሓላዊ+ ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ እዩ ነይሩ።+ ሕጂ ግና ኵሉ መገድታት ነብያቱ+ ኸም መጻወድያ ኣፈንጣሪ ዑፍ እዩ፣ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ ኣሎ። 9 ከም ብመዓልትታት ጊብዓ፡ ናብ ጥፍኣት ኣመና ጥሒሎም ኣለዉ።+ ንሱ ስሕተቶም ኪዝክር፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኪቐጽዕ እዩ።+ 10 “ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዚርከብ ወይኒ ረኺበዮ።+ ንኣቦታትኩም ኣብ ኦም በለስ ከም ዚርከብ መጀመርታ ቐዳማይ በለስ ርእየዮም። ንሳቶም ግና ናብ በዓል ጴዖር ከይዶም፣+ንዜሕፍር ነገር* ርእሶም ወፍዮም፣+ከምቲ ዜፍቅርዎ ኸኣ ጽዩፋት ኰይኖም። 11 ክብሪ ኤፍሬም ከም ዑፍ ይነፍር፣ሕርስን ድቅን ጥንስን የልቦን።+ 12 ቈልዑ እኳ እንተ ኣዕበዩ፡ሰብ ክሳዕ ዘይተርፍ ውሉድ ዘይብሎም ክገብሮም እየ፣+እወ፡ ኣነ ኻባታቶም ምስ ኣልገስኩ፡ ወይለኦም!+ 13 እቲ ኣብ መጓሰዪ እተተኽለ ኤፍሬም ንዓይ ከም ጢሮስ እዩ ነይሩ፣+ሕጂ፡ ኤፍሬም ንደቁ ኻብ ማሕረዲ ኼውጽኦም ኣለዎ።” 14 ኦ የሆዋ፡ እቲ እትህቦም ሃቦም፣ጥንሲ ዚኸዳ ማሕጸንን ዝነጸፋ* ኣጥባትን ሃቦም። 15 “ኣነ ኣብኡ እየ ጸሊአዮም እሞ፡ ኵሉ እከዮም ኣብ ጊልጋል እዩ።+ ብሰሪ ኽፉእ ግብርታቶም ካብ ቤተይ ክሰጕጎም እየ።+ ድሕርዚ ኣይከፍቅሮምን እየ፣+ኵሎም መሳፍንቶም ነቓጻት እዮም። 16 ኤፍሬም ኪውቃዕ እዩ።+ ሱሮም ኪነቅጽ፡ ፍረ እውን ኣይኬፍርዩን እዮም። ዋላ እኳ እንተ ወለዱ፡ ነቲ ተፈታዊ ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።” 17 ኣይሰምዕዎን እሞ፡+ኣምላኸይ ኪድርብዮም እዩ፣ኣብ መንጎ ኣህዛብ ድማ ቀባሕብሖት ኪዀኑ እዮም።+ 13 “ኤፍሬም ምስ ዚዛረብ፡ ራዕራዕታ ይኸውን ነይሩ፣ኣብ እስራኤል ምርኡይ ነይሩ።+ ግናኸ፡ ምስ በዓል ብእተተሓሓዘ በዲሉስ+ ሞይቱ። 2 ሕጂ ድማ ንሓጢኣቶም ይውስኹሉ፡ካብ ብሩሮም ፍሱስ ምስልታት ይገብሩ ኣለዉ፣+ብብልሓት ጣኦታት ይገብሩ፣ ኵሎም ግብሪ ኢደ ጥበበኛታት እዮም። ንዓታቶም፡ ‘እቶም መስዋእቲ ዚስውኡ ሰባት ነቶም ምራኹት ይሳለምዎም’ ይብልዎም።+ 3 ስለዚ፡ ንሳቶም ከም ደበናታት ንግሆ፡ከምቲ ብንግሆኡ ዚጠፍእ ኣውሊ፡ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብህቦብላ ዚብተን ብቝቡቝ፡ከምቲ ኣብ ናሕሲ ብዚርከብ ነዃል ዚወጽእ ትኪ እዮም። 4 ኣነ ግና ካብ ምድሪ ግብጺ ኣትሒዘ የሆዋ ኣምላኽካ እየ፣+ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይፈለጥካን፣ብዘይካይ እውን ካልእ መድሓኒ የልቦን።+ 5 ኣነ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ምድሪ ደርቂ ፈሊጠካ።+ 6 ንሳቶም ብመጓሰዪታቶም ጸጊቦም፣+ጸጊቦም ድማ ልቦም ተዓብዩ። ስለዚ፡ ረሲዖምኒ።+ 7 ኣነ ኸም ዘይባጽሐ ኣንበሳ፡+ኣብ ጥቓ መገዲ ኸም ዜድቢ ነብሪ ክዀኖም እየ። 8 ኰራዅራ ኸም ዝጠፍእዋ ድቢ ዀይነ ኽጐብጦም፡ደረቶም* ከኣ ክትርትሮ እየ። ከም ኣንበሳ ኽበልዖም እየ፣ኣራዊት መሮር ድማ ኪሰላልዖም እዩ። 9 ኣታ እስራኤል፡ ኣንጻረይ፡ ኣንጻር ረዳኢኻ ስለ ዝዀንካ፡ንሱ ኼጥፍኣካ እዩ። 10 ኣብ ኵለን ከተማታትካ ኼድሕነካስ ንጉስካ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧+ እቶም ‘ንጉስን መሳፍንትን ሃበና’+ዝበልካሎም ገዛእትኻኸ* ኣበይ ኣለዉ፧ 11 ብቝጥዓይ ንጉስ ሂበካ፣+ብነድረይ ከኣ ክወስዶ እየ።+ 12 ስሕተት ኤፍሬም ተጠቕሊሉ፡*ሓጢኣቱ ተዓቚሩ ኣሎ። 13 ቅልውላው ሕርሲ ኺመጾ እዩ። ንሱ ግና ዘይለባም ውሉድ እዩ፣ግዜ ሕርሲ ምስ ኣኸለ፡ ኪውለድ ኣይቀርብን። 14 ካብ ሓይሊ መቓብር* ክብጀዎም እየ፣ካብ ሞት ክመልሶም እየ።+ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧+ ኣታ መቓብር፡ መጥፍኢ ምዃንካ ኣበይ ኣሎ፧+ ርሕራሐ ኻብ ኣዒንተይ ክትሕባእ እያ። 15 ኣብ መንጎ ሻምብቆታት እኳ እንተ ለምዐ፡ንፋስ ምብራቕ፡ ንፋስ የሆዋ ኺመጽእ፡ዒላኡ ኼንቅጽን ዓይኒ ማዩ ኼንጽፍን ካብ ምድረ በዳ ኺመጽእ እዩ። ንሱ መዝገብ ኵሉ ኽቡር ነገራቱ ኺዘምት እዩ።+ 16 ሰማርያ ኻብ ኣምላኻ ዓልያ እያ እሞ፡+ ብበደላ ተሓታቲት ክትከውን እያ።+ ብሰይፊ ኺወድቁ፡+ደቆም ከኣ ኪሕምሸሹ እዮም፣ጥኑሳቶም ድማ ኪቕደዳ እየን።” 5 “ኣቱም ካህናት፡ እዚ ስምዑ፣+ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣቕልቡ፣ኣቱም ቤት ንጉስ፡ ጽን በሉ፣ንሚጽጳ መጻወድያ፡ኣብ ታቦር+ ከኣ እተዘርግሐ መርበብ ስለ ዝዀንኩምሲ፡እዚ ፍርዲ ንዓኻትኩም ዚምልከት እዩ። 2 እቶም ዚወድቁ* ኣብ ማሕረዲ ኣመና ይጥሕሉ፣ኣነ ኸኣ ንዅላቶም አጠንቅቖም ኣለኹ።* 3 ኣታ ኤፍሬም፡ ሕጂ ምንዝርና ኣብዚሕካ ኢኻ፡እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፡+ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፣እስራኤል እውን ኣይተሓብኣንን። 4 ኣብ መንጎኦም መንፈስ ምንዝርና ኣሎ እሞ፡+ግብርታቶም ናብ ኣምላኾም ኪምለሱ ኣይፈቕደሎምን እዩ፣ንየሆዋ ኸኣ ኣይፈለጥዎን። 5 ትምክሕቲ እስራኤል ኣንጻሩ* መስኪሩ ኣሎ፣+እስራኤልን ኤፍሬምን ብስሕተቶም ተዓንቂፎም ኣለዉ፣ይሁዳ እውን ምሳታቶም ተዓንቂፉ ኣሎ።+ 6 ብጤለ በጊዖምን ብኸብቶምን ንየሆዋ ኺደልይዎ ኸይዶም እዮም፣ኪረኽብዎ ግና ኣይከኣሉን። ንሱስ ካባታቶም ርሒቑ እዩ።+ 7 ጓኖት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ፡ንየሆዋ ጠሊሞምዎ እዮም።+ ሕጂ፡ ሓንቲ ወርሒ ምስ ግዲኦም* ክትውሕጦም እያ።* 8 ኣብ ጊብዓ መለኸት ቀርኒ፡+ ኣብ ራማ መለኸት ንፍሑ!+ ኣብ ቤት-ኣዌን+ ጭድርታ ውግእ ጨድሩ፡—ኣታ ብንያም፡ ድሕሬኻ! 9 ኣታ ኤፍሬም፡ ብመዓልቲ መቕጻዕቲ መሰክሒ ኽትከውን ኢኻ።+ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ብርግጽ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍሊጠ ኣለኹ። 10 መሳፍንቲ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዜግዕዙ እዮም።+ ነድረይ ከም ማይ ክኽዕወሎም እየ። 11 ኤፍሬም ደድሕሪ ተጻራሪኡ ኪኸይድ ቈሪጹ እዩ እሞ፡+ተጨቊኑ፡ ብፍርዲ ኸኣ ተደቚሱ እዩ። 12 ስለዚ፡ ኣነ ንኤፍሬም ከም ብልዒ፡*ንቤት ይሁዳ ድማ ከም ቍንቍነ ነይረ። 13 ኤፍሬም ሕማሙ፡ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረኣየ፡ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከይዱ፡+ ዓብዪ ንጉስ እውን ልኢኹ። ግናኸ፡ ኬሕውየኩም ኣይከኣለን፣ቍስልኹም እውን ኪፍውስ ኣይከኣለን። 14 ኣነስ ንኤፍሬም ከም ዘይባጽሐ ኣንበሳ፡ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክዀኖ እየ። ኣነ ባዕለይ ሰላሊዐ ክኸይድ እየ፣+ክወስዶም እየ፡ ዜናግፎም እውን ኣይኪህሉን እዩ።+ 15 ሳዕቤናት በደሎም ክሳዕ ዚጾሩ ክኸይድ፡ ናብ ቦታይ እውን ክምለስ እየ፣ሽዑ ድማ፡ ሞገሰይ* ኪደልዩ እዮም።+ ምስ ጨነቖም፡ ኪደልዩኒ እዮም።”+ 3 “እንሆ፡ በተን መዓልትታት እቲአንን በቲ ግዜ እትንሲ፡ንምሩኻት ይሁዳን የሩሳሌምን ምስ መለስክዎም፡+ 2 ንዅሎም ኣህዛብ እውን ክእክቦም፡ናብ ስንጭሮ* ዮሳፋጥ* ድማ ከውርዶም እየ። ምእንቲ ህዝበይን ርስተይ እስራኤልንኣብኡ ምሳታቶም ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ፣+ንሳቶምሲ ንዓታቶም ኣብ ኣህዛብ ፋሕ ኣቢሎምዎም፡ንምድረይ ከኣ ተማቒሎምዋ እዮም።+ 3 ንህዝበይ ዕጫ የውድቑሉ፡+ዓስቢ ኣመንዝራ ኪኸውን ወዲ ይህቡ፡ወይኒ ኺሰትዩ ኢሎም ድማ ጓል ይሸጡ እዮም። 4 ኣቱም ጢሮስን ሲዶንን ኵልኹም ዞባታት ፍልስጥኤምን፡ኣንጻረይ እንታይ ኣሎኩም፧ ትፈድዩኒ ዲኹም ዘለኹም፧ ትፈድዩኒ እንተ ኣሊኹም፡ብፍጥነትን ብቕልጡፍን ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።+ 5 ብሩረይን ወርቀይን ስለ ዝወሰድኩም፡+እቲ ብሉጽ መዛግብተይ ከኣ ናብ ኣብያተ መቕደስኩም ስለ ዘምጻእኩም፡ 6 ካብ ሃገርኩም ከተርሕቕዎም ኢልኩም፡ንህዝቢ ይሁዳን ንህዝቢ የሩሳሌምን ናብ ግሪኻውያን ስለ ዝሸጥኩምዎም፡+ 7 እንሆ፡ ካብቲ ዝሸጥኩምዎም ቦታ ኸተንስኦም፡+ፍዳኹም ከኣ ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። 8 የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ንኣወዳትኩምን ንኣዋልድኩምን ናብ ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፣+ንሳቶም እውን ናብ ሰብ ሳባ፡ ናብቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ህዝቢ ኺሸጥዎም እዮም። 9 እዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣውጁ፦+ ‘ንውግእ ተዳለዉ!* ንጀጋኑ ኣለዓዕልዎም! ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፡ ይምጽኡ!+ 10 ማሕረሻኹም ቀጥቂጥኩም ኣስያፍ፡ ገዘሞታትኩም ከኣ ኲናውቲ* ግበርዎ። እቲ ድኹም፡ “ጅግና እየ” ይበል። 11 ኵልኹም ኣብ ዙርያ ዘለኹም ኣህዛብ፡ ንዑ፡ ርድኡ፡ ተኣከቡ!’”+ኦ የሆዋ፡ ንጀጋኑኻ* ናብታ ቦታ እቲኣ ኣውርዶም። 12 “ኣህዛብ ይለዓሉ፡ ናብ ስንጭሮ* ዮሳፋጥ ከኣ ይውረዱ፣ንዅሎም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ ክፈርድሲ፡ ኣብኡ ክቕመጥ እየ።+ 13 እኽሊ በሲሉ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ስደዱ። መጽመቝ ወይኒ መሊኡ እዩ እሞ፡ ንዑ ርገጹ።+ ክፍኣቶም በዚሑ እዩ እሞ፡ መዋህለል ወይኒ ይጅርብብ ኣሎ። 14 መዓልቲ የሆዋ ኣብ ስንጭሮ* ውሳነ ቐሪባ ኣላ እሞ፡ህዝቢ፡ ህዝቢ ኣብ ስንጭሮ* ውሳነ ኣሎ።+ 15 ጸሓይን ወርሕን ኪጽልምታ እየን፣ከዋኽብቲ ድማ ድምቀቶም ኪስእኑ እዮም። 16 የሆዋ ኸኣ ካብ ጽዮን ኪጓዝም፡ካብ የሩሳሌም እውን ድምጹ ኼስምዕ እዩ። ሰማይን ምድርን ድማ ኬንቀጥቅጥ እዩ፣የሆዋ ግና ንህዝቡ መዕቈቢ፡+ንህዝቢ እስራኤል እውን ዕርዲ ኪኸውን እዩ። 17 ኣነ ኣብ ጽዮን፡ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ዝነብር የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።+ የሩሳሌም ቅድስቲ ኽትከውን እያ፣+ጓኖት እውን ደጊም ብእኣ ኣይኪሓልፉን እዮም።+ 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣኽራን ጕዕሽ ወይኒ ኼንጠብጥብ፡+ኵርባታት ድማ ጸባ ኼውሕዝ፡ኣብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ኪውሕዝ እዩ። ካብ ቤት የሆዋ ዓይኒ ማይ ኪውሕዝ፡+ንስንጭሮ* ኣእዋም ሰራው እውን ብመስኖ ኬስትዮ እዩ። 19 ብሰሪ እቲ ኣብ ህዝቢ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻ፡+ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ስለ ዘፍሰሱ፡+ግብጺ ባድም ክትከውን፡+ኤዶም ከኣ ዝባደመት በረኻ ኽትከውን እያ።+ 20 ይሁዳ ግና ወትሩ ነባሪ ኺህልዋ፡የሩሳሌም ድማ ንውሉድ ወለዶ ኸምኡ ኺህልዋ እዩ።+ 21 ነቲ ንጹህ ገይረ ዘይረኣኽዎ ደሞም* ንጹህ ገይረ ኽርእዮ እየ፣+የሆዋ ኸኣ ኣብ ጽዮን ኪነብር እዩ።”+ 1 ንዮኤል* ወዲ ጴቱኤል ዝመጾ ቓል የሆዋ፦ 2 “ኣቱም ዓበይቲ፡ እዚ ስምዑ፣ኵልኹም ነበርቲ እዛ ምድሪ፡* ጽን በሉ። ብዘመንኩም ወይ ብዘመን ኣቦታትኩምሲከምዚ ዝበለዶ ዀይኑ እዩ፧+ 3 ብዛዕባኡ ንደቅኹም ኣዘንትዉሎም፣ደቅኹም ከኣ ንደቆም፡ደቆም እውን ንዚቕጽል ወለዶ የዘንትዉሎም። 4 ካብ ወሓጢ ኣንበጣ ዝተረፈ፡ ዕስለ ኣንበጣ በሊዕዎ፣+ካብ ዕስለ ኣንበጣ ዝተረፈ፡ ኩብኩብታ በሊዕዎ፣ካብ ኩብኩብታ ዝተረፈ፡ በላዒ ኣንበጣ በሊዕዎ።+ 5 ኣቱም ሰኽራማት፡+ ንቕሑን ብኸዩን! ጕዕሽ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፡+ኵልኹም ሰተይቲ ወይኒ፡ ዋይዋይ በሉ! 6 ሓያልን ቍጽሪ ዘይብሉን ህዝብስ ናብ ምድረይ ደዪቡ ኣሎ።+ ኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ፡+ ምንጋጋኡ ኸኣ ከም ናይ ኣንበሳ እዩ። 7 ንተኽሊ ወይነይ ኣብሪስዋ፡ ንኦም በለሰይ ከኣ ናብ ጕርማጽ ቀይርዋ፣ጠሪሱ ጥራየን ገይርወንን ደርብይወንን፣ንውልዶታተን ድማ ኣጻዕድይዎ። 8 ከምቲ ድንግል* ማቕ ተኸዲናንመርዓዊ* ንእስነታ ዋይዋይ እትብለሉ ጌርኪ ዋይዋይ በሊ። 9 መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን+ ካብ ቤት የሆዋ ኣቋሪጹ ኣሎ፣ካህናት፡ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ይሓዝኑ ኣለዉ። 10 እኽሊ በሪሱ፡ ጕዕሽ ወይኒ ነጺፉ፡ ዘይቲ እውን የልቦን እሞ፡+ግራት ባዲሙ ኣሎ፡ ምድሪ ኸኣ ትሓዝን ኣላ።+ 11 እቶት ግራት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ብሰንኪ ስእነት ስርናይን ስገምንሓረስቶት ተዳሂሎም፡ ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዋይዋይ ይብሉ ኣለዉ። 12 ተኽሊ ወይኑ ነቒጹ፡ኦም በለስ ጸምልዩ ኣሎ። ሮማንን ስየን ቱፋሕንኵሉ ኣእዋም መሮርን ነቒጹ ኣሎ፣+ኣብ መንጎ ሰባትሲ ሓጐስ ናብ ሕፍረት ተቐዪሩ። 13 ኣቱም ካህናት፡ ማቕ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፣*ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ፡ ዋይዋይ በሉ።+ መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን+ ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተኸልኪሉ እዩ እሞ፡ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፡ ንዑ፡ ማቕ ተኸዲንኩም ሕደሩ። 14 ጾም ኣውጁ፣* ፍሉይ ኣኼባ ጸውዑ።+ ንዓበይቲ ምስ ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽኩም ኣኪብኩም፡+ ናብ የሆዋ ኣእውዩ። 15 መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ ኣላ፡+ከም ጥፍኣት ኰይና ድማ ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ኣየ እታ መዓልቲ እቲኣ! 16 ምግቢ ኻብ ቅድሚ ኣዒንትና፡ታሕጓስን ደስታን ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ኣይተወስደን፧ 17 ዘርኢ* ኣብ ትሕቲ መጽሓሪታት ቀምሪሩ። ማዕከናት ባዲሙ። እኽሊ ሃጒጉ እዩ እሞ፡ ቆፋፉ ፈሪሱ። 18 ማል እኳ ዓዕ ይብላ ኣለዋ! መጓሰ ኸብቲ መጓሰዪ ስለ ዝሰኣና፡ ኰለል ይብላ ኣለዋ! መጓሰ ኣባጊዕ ድማ መቕጻዕቲ ተሰኪመን ኣለዋ። 19 ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪታት ሓዊ በሊዕዎ፡ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞዅ ኣቢልዎ እዩ እሞ፡ኦ የሆዋ፡ ናባኻ አእዊ ኣለኹ።+ 20 ወሓይዝ ማይ ነጺፉ፡ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪታት ከኣ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፡እንስሳታት መሮር እኳ ንዓኻ ይናፍቓ ኣለዋ።” 2 “መዓልቲ የሆዋ ትመጽእ ኣላ፡+ ቀሪባ ኸኣ እያ እሞ፡ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ!+ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ጭድርታ ውግእ ጨድሩ። ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ* ራዕራዕ ይበሉ። 2 ንሳስ መዓልቲ ጸልማትን ድነን፡+መዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን፡+ከምቲ ኣብ ኣኽራን ዚዝርጋሕ ብርሃን ወጋሕታ እያ። ብዙሕን ሓያልን ህዝቢ ኣሎ፣+ቅድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኸቶ ኣይነበረን፣ድሕሪኡ እውን ክሳዕ ዓመታት ውሉድ ወለዶኸምኡ ዝበለ ኸቶ ኣይኪኸውንን እዩ። 3 ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፡ኣብ ድሕሪኡ እውን ሃልሃልታ ሞዅ የብል።+ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ምድሪ ኸም ገነት* ኤደን እያ፣+ኣብ ድሕሪኡ ዘላ ግና ዝባደመት በረኻ እያ፣ካብኡ ዜምልጥ እውን የልቦን። 4 ትርኢቱ ኸም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፣ከም ኣፍራስ ውግእ ድማ ይጐይዩ።+ 5 ደሃዩ ኸምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ናይ ዚዘልሉ ሰረገላታት፡+ከምቲ ዚባራዕ ሓዊ ንሓሰር ኪበልዖ ኸሎ ጣዕጣዕ ዚብል እዩ። ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ እዩ።+ 6 ብሰንኮም ህዝብታት ይጭነቑ። ኵሉ ገጽ በርበረ ይመስል። 7 ከም ጀጋኑ ይጠንኑ፣ከም ተዋጋእቲ ናብ መካበብያ ይሓዅሩ፣ነፍሲ ወከፍ ብመገዱ ይኸይድ፣ካብ መገዶም ከኣ ኣይእለዩን። 8 ንሓድሕዶም ኣይዳፍኡን፣ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመገዱ ይግስግስ። ንገሊኦም ኣጽዋር* እንተ ኣውዲቕዎም፡እቶም ዝተረፉ ኣይበታተኑን። 9 ናብ ከተማ ይህንደዱ፡ ኣብ መከበብያ ይጐይዩ። ናብ ኣባይቲ ይሓዅሩ፡ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ። 10 ኣብ ቅድሚኦም እታ ምድሪ ራዕራዕ ትብል፡ ሰማያት ከኣ የንቀጥቅጥ። ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ፣+ከዋኽብቲ ድማ ድምቀቶም ይስእኑ። 11 ሰፈሩ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ እሞ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጹ ኼስምዕ እዩ።+ እቲ ንቓሉ ዚፍጽምሲ ሓያል እዩ፣ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ።+ መን ኪጻወራ ይኽእል፧”+ 12 “ግናኸ፡ ሕጂ እውን” ይብል የሆዋ፡ “ብዅሉ ልብኹም፡ብጾምን+ ብብኽያትን ብዋይዋይታን ናባይ ተመለሱ።+ 13 ንሱ ርሕሩሕን* መሓርን ንቝጥዓ ደንጓይን+ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ፡+ነቲ መዓት እውን ዳግም ኪሓስበሉ* እዩ እሞ፡ክዳውንትኹም ዘይኰነስ፡+ ልብኹም ቅደዱ፡+ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ተመለሱ። 14 ተመሊሱ ዳግም እንተ ሓሰበ፡*+ብድሕሪኡ ድማ በረኸት፡ንየሆዋ ኣምላኽኩም ዚኸውን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን እንተ ሓደገ መን ይፈልጥ፧ 15 ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ! ጾም ኣውጁ፣* ፍሉይ ኣኼባ ጸውዑ።+ 16 ህዝቢ ኣክቡ፣ ጉባኤ ቐድሱ።+ ኣረገውቲ* ኣክቡ፣ ቈልዑን ዚጠብዉ ሕጻናትን ኣክቡ።+ መርዓዊ ኻብ ውሽጣዊት ክፍሊ ይውጻእ፣ መርዓት ድማ ካብ ቤት ሕጽኖታ። 17 ካህናት፡ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን+ ይብከዩ፡ ከምዚ እውን ይበሉ፦ ‘ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ደንግጸሉ፣ኣህዛብ ኪገዝእዎም ብምሕዳግ፡ንርስትኻ መስተናዓቒ ኣይትግበሮ። ስለምንታይከ ህዝብታት፡ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ፧” ዚብሉ፧’+ 18 ሽዑ፡ የሆዋ ምእንቲ ምድሩ ብቕንኣት ኪለዓዓል፡ንህዝቡ ኸኣ ኪርሕርሓሉ እዩ።+ 19 የሆዋ ንህዝቡ ኸምዚ ኢሉ ኺምልሰሉ እዩ፦ ‘እንሆ፡ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን እሰድደልኩም ኣለኹ፣ንስኻትኩም እውን ኣጸቢቕኩም ክትጸግቡ ኢኹም።+ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ደጊም መጻረፊ ኣይክገብረኩምን እየ።+ 20 ነቲ ሰሜነታይ ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፣ግምባሩ* ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡*ደጀኑ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ* ገይረ፡ናብ ንቑጽን ባድምን ምድሪ ኽብትኖ እየ። ንሱ ዓብዪ ነገራት ኪገብር እዩ እሞ፡ብድብዱ ኻብኡ ኺዓርግ፡ሕማቕ ጨናኡ ኸኣ ካብኡ ኺዓርግ እዩ።’+ 21 ኣቲ ምድሪ፡ ኣይትፍርሂ። የሆዋ ዓብዪ ነገራት ኪገብረልኪ እዩ እሞ፡ ተሓጐሲ፡ ባህ እውን ይበልኪ። 22 ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪ ኺልምልም፡+ኣእዋም ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ እሞ፡+ኣቱም እንስሳታት መሮር፡ ኣይትፍርሁ፣ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከኣ ምሉእ ምህርቱ ኺህብ እዩ።+ 23 ንሱ ዝናም ኣዝመራ ብልክዕ ኪህበኩም፡ከም ቀደሙ ድማ ዝናም፡እወ፡ ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ኪሰድደልኩም እዩ እሞ፡+ኣቱም ደቂ ጽዮን፡ ብየሆዋ ኣምላኽኩም ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም።+ 24 ኣዕውዲ ኸኣ ጽሩይ እኽሊ ኺመልእ፡መጽመቚታት እውን ብጕዕሽ ወይንን ዘይትን ኪጅርብብ እዩ።+ 25 ኣነ ድማ ነተን እቲ ኣብ መንጎኹም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝዀነዕስለ ኣንበጣን ኩብኩብታንበላዒ ኣንበጣን ወሓጢ ኣንበጣን ዝበልዑለን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ።+ 26 ክሳዕ እትጸግቡ ብርግጽ ክትበልዑ፡+ንስም እቲ ተኣምራት ዝገበረልኩምየሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ክትውድሱ ኢኹም፣+ህዝበይ ድማ ደጊም ከቶ ኣይኪሓፍርን እዩ።+ 27 ኣነ ኣብ ማእከል እስራኤል ከም ዘለኹ፡+ኣነ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፡+ ካልእ እውን ከም ዘየልቦ ኽትፈልጡ ኢኹም! ህዝበይ ድማ ደጊም ከቶ ኣይኪሓፍርን እዩ። 28 ድሕርዚ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ፣+ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ኣረገውትኹም ሕልምታት ኪሓልሙ፡ኣጕባዝኩም እውን ራእያት ኪርእዩ እዮም።+ 29 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ መንፈሰይኣብ ተባዕትዮ ባሮተይን ኣንስትዮ ባሮተይን እውን ከፍስስ እየ። 30 ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፡*ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን ክህብ እየ።+ 31 እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ፡+ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም።+ 32 ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ፣+ከመይሲ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን እቶም ዘምለጡ፡+እቶም የሆዋ ዚጽውዖም ተረፍ ኪህልዉ እዮም።” 3 “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ እዚ የሆዋ ብዛዕባኹም፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብክዎ ብዘሎ ዓሌት እተዛረቦ ቓል ስምዑ፦ 2 ‘ካብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ንዓኻትኩም ንበይንኹም እየ ፈሊጠኩም።+ ስለዚ፡ ብሰሪ ዅሉ ስሕተትኩም ተሓተትቲ ኽገብረኩም እየ።+ 3 ክልተስ ኪራኸቡ እንተ ዘይተሰማሚዖምዶ* ብሓደ ይኸዱ እዮም፧ 4 ኣንበሳስ ግዳይ ከይሃለዎዶ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ፧ ሽደን ኣንበሳኸ ገለ እኳ ኸይሓዘዶ ኻብ ሰፈሩ ሕኒን ይብል እዩ፧ 5 ዑፍከ መፈንጠራ* ኣብ ዘይብሉዶ ኣብ ምድሪ ኣብ መጻወድያ ትወድቕ እያ፧ መፈንጠራኸ ገለ እኳ ኸይሓዘዶ ኻብ ምድሪ ንላዕሊ ይፍንጠር እዩ፧ 6 መለኸት ኣብ ከተማ እንተ ተነፊሑስ፡ ህዝቢዶ ራዕራዕ ኣይብልን እዩ፧ ኣብ ከተማ መዓት እንተ ዀይኑስ፡ የሆዋ ደይኰነን ዝገበሮ፧ 7 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስምስጢሩ ንገላዉኡ ነብያት ከይገለጸ ሓንቲ እኳ ኣይገብርን እዩ።+ 8 ኣንበሳ ጓዚሙ!+ መን እዩ ዘይፈርህ፧ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ተዛሪቡ! መን እዩ ዘይንበ፧’+ 9 ‘ኣብ እተዓርደ ግምብታት ኣሽዶድንኣብ እተዓርደ ግምብታት ምድሪ ግብጽን ኣውጅዎ። ከምዚ በሉ፦ “ኣንጻር ኣኽራን ሰማርያ ተኣከቡ፣+ኣብ ማእከላ ዘሎ ህውከትንኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ርኣዩ።+ 10 እቶም ኣብ እተዓርደ ግምብታቶም ዓመጻን ጥፍኣትን ዚድልቡስ፡ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም’” ይብል የሆዋ። 11 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ተጻራሪ ነታ ምድሪ ኪኸብባ፡+ንሱ ንብርታዐኺ ኻባኺ ኪቕንጥጦ፡ንእተዓርደ ግምብታትኪ እውን ኪዘምቶ እዩ።’+ 12 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ ኽልተ እግሪ ወይ ጭራም እዝኒ ዚምንዝዕ፡ከምኡ ኸኣ ህዝቢ እስራኤል፡እቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ግሩም መደቀሲታትን ብሉጽ ዓራውትን* ተቐሚጦም ዘለዉ ኺምንዝዑ እዮም።’+ 13 ‘ስምዑ እሞ ንቤት ያእቆብ ኣጠንቅቕዎም’* ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት። 14 ‘በታ ንእስራኤል ስለቲ ዅሉ በደላቱ* ተሓታቲ ዚገብረላ መዓልትስ፡+ንመሰውኢታት ቤት-ኤል እውን ተሓታቲ ኽገብሮ እየ፣+ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ኸኣ ኪቝረጽን ናብ ምድሪ ኺወድቕን እዩ።+ 15 ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዐን እየ።’ ‘ኣባይቲ ስኒ ሓርማዝ ኪጠፍእ፡+ዓበይቲ* ኣባይቲ እውን ኪውዳእ እዩ’+ ይብል የሆዋ።” 7 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ እቲ ዳሕረዋይ እኽሊ ኺበቍል ምስ ጀመረ፡* ዕስለ ኣንበጣ ገበረ። እዚ ኸኣ ሳዕሪ ንጉስ ምስ ተዓጽደ ዝወጸ ዳሕረዋይ እኽሊ ነበረ። 2 እቲ ዕስለ ንኣትክልቲ እታ ምድሪ በሊዑ ምስ ወድአ፡ ኣነ፡ “ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ በጃኻ ይቕረ በል!+ ያእቆብሲ ድኹም እዩ እሞ፡ ከመይ ገይሩ ኺድሕን* እዩ፧” በልኩ።+ 3 ስለዚ፡ የሆዋ ነዚ ዳግም ሓሰበሉ።*+ የሆዋ ኸኣ፡ “እዝስ ኣይኪኸውንን እዩ” በለ። 4 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መቕጻዕቲ ሓዊ ጸውዐ። ንሱ ድማ ነቲ ገፊሕ መዓሙቝ ማያት በልዖ፡ ንኽፋል እታ ምድሪ እውን በልዖ። 5 ሽዑ፡ ኣነ፡ “ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ በጃኻ ነዚ ግትኣዮ።+ ያእቆብሲ ድኹም እዩ እሞ፡ ከመይ ገይሩ ኺድሕን* እዩ፧” በልኩ።+ 6 ስለዚ፡ የሆዋ ነዚ ዳግም ሓሰበሉ።*+ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ፡ “እዚ እውን ኣይኪኸውንን እዩ” በለ። 7 ንሱ ድማ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ የሆዋ ብመለክዒ መንደቕ* ኣብ እተገብረ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ፣ መለክዒ መንደቕ ከኣ ኣብ ኢዱ ነበረ። 8 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “መለክዒ መንደቕ” በልኩ። የሆዋ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል መለክዒ መንደቕ አንብር ኣለኹ። ደጊም ይቕረ ኣይክብለሎምን እየ።+ 9 በረኽቲ ይስሃቅ+ ኪባድም፡ መቓድስ እስራኤል ድማ ኪፈርስ እዩ፣+ ኣነ እውን ሰይፊ ሒዘ ኣንጻር ቤት የሮብዓም ክመጽእ እየ”+ በለ። 10 ኣማስያ እቲ ኻህን ቤት-ኤል+ ከኣ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንየሮብዓም+ ንጉስ እስራኤል ለኣኸሉ፦ “ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ውዲት ይኣልመልካ ኣሎ።+ እዛ ምድሪ ንዅሉ እቲ ቓላቱ ኽትጻወሮ ኣይትኽእልን እያ።+ 11 ኣሞጽሲ፡ ‘የሮብዓም ብሰይፊ ኺመውት፡ እስራኤል እውን ብርግጽ ካብ ምድሩ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ’ ይብል ኣሎ።”+ 12 ሽዑ፡ ኣማስያ ንኣሞጽ፡ “ኣታ ብዓል ራእይ፡ ኪድ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ህደም፣ ኣብኣ ኸኣ እንጌራኻ ማእርር፡* ኣብኣ እውን ተነበ።+ 13 ቤት-ኤል ግና መቕደስ ንጉስን+ ቤተ መንግስትን እያ እሞ፡ ደጊምሲ ኣብዚኣ ኣይትነበ” በሎ።+ 14 ሽዑ፡ ኣሞጽ ንኣማስያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነስ ጓሳን+ ተኸናኻኒ ኣእዋም ሳግላን* እየ ነይረ እምበር፡ ነብዪ ወይ ወዲ ነብዪ ኣይነበርኩን። 15 የሆዋ ግና ደድሕሪ መጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲዱኒ፣ የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኪድ፡ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ ኢሉኒ።+ 16 ሕጂ ድማ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ ‘ንስኻስ፡ “ኣንጻር እስራኤል ኣይትነበ፡+ ኣንጻር ቤት ይስሃቅ ድማ ኣይትስበኽ”+ ትብል ኣለኻ። 17 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰበይትኻ ኣብ ከተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፣ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። ምድርኻ ብገመድ መለክዒ ኽትምቀል እያ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ርኽስቲ ምድሪ ኽትመውት ኢኻ፣ እስራኤል እውን ብርግጽ ካብ ምድሩ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ።”’”+ 1 ቃላት ኣሞጽ* እቲ ኻብቶም ሰብ ኣባጊዕ ተቆዓ+ ዝነበረ፡ ብዘመን ዑዝያ+ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ+ ንጉስ እስራኤልን፡ ክልተ ዓመት ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ+ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ራእይ። 2 ከምዚ ድማ በለ፦ “የሆዋ ኻብ ጽዮን ኪጓዝም፡ካብ የሩሳሌም እውን ድምጹ ኼስምዕ እዩ። መጓሰዪታት ጓሶት ኪሓዝን፡ርእሲ ቀርሜሎስ ከኣ ኪነቅጽ እዩ።”+ 3 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ንጊልዓድ ብመኼዳ ሓጺን ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል* ደማስቆ፡ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 4 ስለዚ፡ ናብ ቤት ሓዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ንእተዓርደ ግምብታት ቤን-ሃዳድ ከኣ ኪበልዖ እዩ።+ 5 ንተገዳማት ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፣+ንነበርቲ ቢቃት-ኣዌንንነቲ ኻብ ቤት-ኤደን ዚገዝእን* ከጥፍኦም እየ፣ህዝቢ ሶርያ ድማ ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ”+ ይብል የሆዋ።’ 6 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ንብዘለዉ ጕጅለ ምሩኻት ወሲዶም+ ንኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም እዮም እሞ፡ስለ ሰለስተ በደል ጋዛ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 7 ስለዚ፡ ናብ መካበብያ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ንእተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኪበልዖ እዩ። 8 ንነበርቲ ኣሽዶድን+ነቲ ኻብ ኣሽቀሎን ዚገዝእን* ከጥፍኦም እየ፣+ኢደይ ኣንጻር ዔቅሮን ክመልስ እየ፣+እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኪጠፍኡ እዮም”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’ 9 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንብዘለዉ ጕጅለ ምሩኻት ወሲዶም ንኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም እዮም፡ኪዳን ኣሕዋት እውን ኣይዘከሩን እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል ጢሮስ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 10 ስለዚ፡ ናብ መካበብያ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ንእተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።’+ 11 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንኣሕዋቱ ብሰይፊ ሰጒጕዎም፡+ከይምሕሮም እውን ኣብዩ እዩ፡ብቝጥዓኡ ብዘይምቍራጽ ቀዳዲድዎም፡ብቐጻሊ እውን ነዲሩ እዩ እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል ኤዶም፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 12 ስለዚ፡ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ንእተዓርደ ግምብታት ቦጽራ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።’+ 13 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ሃገሮም ኬግፍሑስ ንጥኑሳት ጊልዓድ ቀዲዶምወን እዮም እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል ዓሞናውያን፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ፣ 14 ስለዚ፡ ኣብ መካበብያ ራባ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣+ብመዓልቲ ውግእ ከኣ ምስ ጭድርታ ውግእ፡ብመዓልቲ ህቦብላ ንፋስ ድማ ምስ ህቦብላ፡ንእተዓርደ ግምብታታ ኺበልዖ እዩ። 15 ንጉሶም ከኣ ምስ መሳፍንቱ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ”+ ይብል የሆዋ።’ 8 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ ፍረ ሓጋይ ዝመልአ ኸፈር ነበረ። 2 ንሱ ኸኣ፡ “ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “ፍረ ሓጋይ ዝመልአ ኸፈር” ኢለ መለስኩ። ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ንህዝበይ እስራኤል መወዳእታ መጺእዎም ኣሎ። ደጊም ይቕረ ኣይክብለሎምን እየ።+ 3 ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ መዝሙራት ቤተ መቕደስ ናብ ዋይዋይታ ኺልወጥ እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ኣብ ኵሉ ቦታ እተደርበዩ ብዙሓት ሬሳታት ኪህልዉ እዮም፡+—ኡስ!’ 4 ኣቱም ንድኻ እትረግጹ፡ እዚ ስምዑ፣ንስኻትኩምሲ ንዓቃል* ካብ ምድሪ እትውድኡ፣+ 5 ከምዚ ድማ ትብሉ፦ ‘ኤፋ* እናኣንኣስና፡ሲቃል* እናወሰኽና፡ብዜታልል ሚዛንና እናኣደናገርና፡+እኽልና ኽንሸይጥሲ፡ በዓል ሰርቂ ወርሒ መዓስ ኪሓልፍ እዩ፧+ እኽሊ ንመሸጣ ኸነቕርብሲ፡ ሰንበት መዓስ ኪሓልፍ እዩ፧+ 6 በዚ ኸምዚ፡ ንስኡናት ብብሩር፡ንድኻ ብጽምዲ ሳእኒ ኽንዕድግ፡+ነቲ ጕርዲ ኸኣ ክንሸይጥ ኢና።’ 7 የሆዋ ብትምክሕቲ ያእቆብ ምሒሉ ኣሎ፦+ ‘ኵሉ ግብርታቶም ከቶ ኣይክርስዖን እየ።+ 8 ብሰሪ እዚ፡ እታ ምድሪ* ራዕራዕ ክትብል፡ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነባሪ ድማ ኪሓዝን እዩ።+ ኵላዶ ኸም ኒል ኣይክትትንስእን፡ከም ኒል ግብጺኸ ተላዒላ ለጠቕዶ ኣይክትብልን እያ፧’+ 9 ‘በታ መዓልቲ እቲኣ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡‘ቀትሪ ኸሎ ንጸሓይ ከዕርባ፡ብርህቲ መዓልቲ ኸላ እውን ነታ ምድሪ ኸጸልምታ እየ።+ 10 ንበዓላትኩም ናብ ሓዘን፡+ንዅሉ መዝሙራትኩም ከኣ ናብ ልቕሶ ክቕይሮ እየ። ኣብ ኵሉ ሕቘ ድማ ማቕ ክገብር፡ ኵሉ ርእሲ ኸኣ ከም ዚምለጥ ክገብር እየ፣ንሓደ በይኑ ውሉድ ከም ዚሕዘነሉ ሓዘን ክገብራ፡መወዳእታኣ እውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብራ እየ።’ 11 ‘እንሆ፡ ናብታ ምድሪ ጥሜት ዝሰድደለንመዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡‘ንምስማዕ ቃል የሆዋ እምበር፡ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።+ 12 ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፡ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ* ሰንከልከል ኪብሉ እዮም። ቃል የሆዋ ደልዮም ኪዞሩ፣ ግናኸ፡ ኣይኪረኽብዎን እዮም። 13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጽቡቓት ደናግል ውኖአን ኬጥፍኣ እየን፣ኣጕባዝ እውን ብሰንኪ ጽምኢ ኸምኡ ኪዀኑ እዮም። 14 እቶም ብበደል ሰማርያ ዚምሕሉ፡+“ኦ ዳን፡ ከምቲ ኣምላኽካ ህያው ዝዀነ!” ዚብሉ፡+“ከምቲ መገዲ ብኤር-ሸባዕ+ ህያው ዝዀነ!” እውን ዚብሉ፡ኪወድቁ፡ መሊሶም ድማ ኣይኪትንስኡን እዮም።’”+ 2 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ንሱ ንኣዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም ኖራ ኪኸውን ኢሉ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፡ስለ ሰለስተ በደል* ሞኣብ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 2 ስለዚ፡ ናብ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ንእተዓርደ ግምብታት ቄሪዮት ከኣ ኪበልዖ እዩ፣+ሞኣብ ኣብ መንጎ ዕግርግር፡ብጭድርታ ውግእን ብደሃይ መለኸትን ኪመውት እዩ።+ 3 ንገዛኢ* ኻብ ማእከላ ኸልግሶ፡ንዅሎም መሳፍንታ ድማ ምስኡ ክቐትሎም እየ”+ ይብል የሆዋ።’ 4 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሕጊ* የሆዋ ነጺጎም፡ስርዓታቱ እውን ኣይሓለዉን፡+የግዳስ፡ እቲ ኣቦታቶም ዝሰዓብዎ ሓሶት ኣስሒትዎም እዩ እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል ይሁዳ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 5 ስለዚ፡ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ንእተዓርደ ግምብታት የሩሳሌም ከኣ ኪበልዖ እዩ።’+ 6 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንጻድቕ ብብሩር፡ንድኻ ድማ ብጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል እስራኤል፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 7 ኣራእስ ትሑታት ኣብ ሓመድ ምድሪ ረጊጾም፡+መገዲ ዓቃላት እውን ዓጽዮም እዮም።+ ሰብኣይን ኣቦኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ኣትዮም፡ነቲ ቕዱስ ስመይ ከኣ ኣርኪሶምዎ እዮም። 8 ኣብ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፡+ ብትሕጃ ኣብ ዝወሰድዎ ኽዳውንቲ በጥ ይብሉ፣+እቲ ኣብ ቤት* ኣማልኽቶም ዚሰትይዎ ወይኒ ድማ ካብቶም ብመቕጻዕቲ ዘኽፈልዎም እተረኽበ እዩ።’ 9 ‘ግናኸ፡ ነቲ ኸም ቄድሮስ ዝቝመቱን ከም ገዚፍ ኦም ዝብርታዐኡንኣሞራዊ ኻብ ቅድሚኦም ዘጥፋእክዎ ኣነ እየ፣+ንፍሪኡ ኻብ ላዕሊ፡ ንሰራውሩ ኻብ ታሕቲ ኣጥፊአዮ።+ 10 ካብ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣውጺአኩም፣+ንምድሪ እቲ ኣሞራዊ ኽትርስተዩ ኸኣ፡40 ዓመት ብበረኻ መሪሐኩም።+ 11 ካብ ደቅኹም ነብያት፡+ካብ ኣጕባዝኩም ድማ ናዝራውያን ኣተንሲአ።+ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ከምኡ ደይኰነን፧’ ይብል የሆዋ። 12 ‘ንስኻትኩም ግና ንናዝራውያን ኪሰትዩስ ወይኒ መመሊስኩም ሂብኩምዎም፡+ንነብያት ከኣ “ኣይትነበዩ” ኢልኩም ኣዚዝኩምዎም።+ 13 ስለዚ፡ ከምቲ ዕጹድ እኽሊ እተጻዕነት ሰረገላ ኣብ ትሕቲኣ ንዘሎ እትጭፍልቖ፡ኣነ እውን ኣብ ቦታኹም ክጭፍልቐኩም እየ። 14 ፈጣን ዚሃድመሉ ኣይኪህልዎን፡+ብርቱዕ ከኣ ሓይሊ ኣይኪተርፎን፡ጅግና ድማ ምስ ህይወቱ* ኣይኬምልጥን እዩ። 15 ቀስተኛ ኣብ መትከሉ ደው ኣይኪብልን፡ፈጣን ዝእግሩ ኸኣ ኣይኬምልጥን፡ፈረሰኛ ድማ ምስ ህይወቱ* ኣይኬምልጥን እዩ። 16 ካብቶም ጀጋኑ እቲ ኣዝዩ ተባዕ ዝዀነ እኳ፡*በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራዩ ኺሃድም እዩ’+ ይብል የሆዋ።” 4 “ኣትን ኣብ ከረን ሰማርያ+ ዘለኽን ኣሓ ባሳን፡ኣትን ንትሑታት እትዕምጻን+ ንድኻታት እትጭፍልቓን፡ንሰብኡተን* ከኣ፡ ‘ዚስተ ኣምጽኡልና’ እትብላ፡እዚ ቓል እዚ ስምዓ። 2 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብቕድስናኡ ምሒሉ ኣሎ፦ ‘“እንሆ፡ ንሱ ብዓንቃሪቦ ሓራድ ስጋ፡ካባኻትክን ዝተረፋ ድማ ብመቝለብ ዓሳ ዜልዕለለን መዓልትታት ኣባኻትክን ይመጻ ኣለዋ። 3 ነፍሲ ወከፍክን ትኽ ኢልክን በቲ ኣብ መካበብያ ዚህሉ ፍሩሳት ክትወጻ ኢኽን፣ናብ ሃርሞን ከኣ ክትድርበያ ኢኽን” ይብል የሆዋ።’ 4 ‘ናብ ቤት-ኤል ንዑ እሞ ኣብሱ፣*+ኣብ ጊልጋል እውን ብዝያዳ ኣብሱ!+ ንግሆ መስዋእትኹም፡+ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዕሽርኩም+ ኣምጽኡ። 5 ካብ ዝበዅዐ እንጌራ መስዋእቲ ምስጋና ኣሕርሩ፣+መስዋእቲ ፍታውኩም ዓው ኢልኩም ኣውጁ! ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ምግባር ኢኹም እትፈትዉ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 6 ‘ኣነ ኸኣ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ንኣስናንኩም ካብ ምግቢ ኣጽርየዮ፣*ኣብ ኵለን ኣባይቲ እውን እንጌራ ኸም ዚስኣን ገይረ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ። 7 ‘ኣነ ድማ ንቐውዒ ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዎ ኸሎ፡ ዝናም ከሊአኩም፣+ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኣዝኒመስ፡ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓንቲ ግራት ዘኒሙስ፡እታ ዘይዘነማ ሓንቲ ግራት ግና ነቒጻ። 8 ህዝቢ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኸተማ ማይ ኪሰትዩ ሰንከልከል እናበሉ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸይዶም፣+ግናኸ፡ ኣይረወዩን፣ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ። 9 ‘ብሃጕን ብዋግን ወቒዐኩም።+ ስፍራ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣብዚሕኩም፣ግናኸ፡ ንኣእዋም በለስኩምን ንኣእዋም ኣውልዕኩምን ኣንበጣ በሊዕዎ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ። 10 ‘ከምቲ ናይ ግብጺ ዝዀነ ለበዳ ሰዲደልኩም።+ ንኣጕባዝኩም ብሰይፊ ቐቲለዮም፡+ ንኣፍራስኩም እውን ማሪኸዮም።+ ነቲ ሕማቕ ጨና ሰፈርኩም ናብ ኣፍንጫኹም ኣደይበዮ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’ ይብል የሆዋ። 11 ‘ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ዝገልበጠን፡+ኣብ መንጎኹም እውን ገልቢጠ። ንስኻትኩም ከኣ ካብ ሓዊ ኸም እተመንዝዐ እያድ ኔርኩም፣ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ። 12 ስለዚ፡ ኣታ እስራኤል፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ። ኣታ እስራኤል፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ንኣምላኽካ ኽትረኽቦ ተዳሎ። 13 እንሆ፡ ንሱስ ኣኽራን ዝገበረን+ ንፋስ ዝፈጠረን እዩ፣+ንሰብ ድማ ሓሳባቱ እንታይ ምዃኑ ይነግሮ፣ንወጋሕታ ኸኣ ናብ ጸልማት ይልውጦ፣+ኣብ በረኽቲ ምድሪ እውን ይረግጽ፣+ስሙ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።” 6 “እቶም ኣብ ጽዮን ዘለዉ ብርእሶም ዚተኣማመኑ፡*ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተኣሚኖም ዚነብሩ፡+እቶም ናይቶም ቀዳሞት ኣህዛብ ምርኡያት፡እቶም ቤት እስራኤል ዝመጽዎም፡ ወይለኦም! 2 ናብ ካልነ ተሳገሩ እሞ ርኣዩ። ካብኡ ናብታ ዓባይ ሓማት ኪዱ፣+ናብ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከኣ ውረዱ። ንሳተንዶ ኻብዘን መንግስትታት* እዚአን ይበልጻ እየን፧ ወይስ ሃገረንዶ ኻብ ናታትኩም ይገፍሕ እዩ፧ 3 ንመዓልቲ መዓት ካብ ኣእምሮኹም ኣውጺእኩምሲ፡+ዓመጻዶ ተስፍኑ* ኣለኹም፧+ 4 ኣብ መደቀሲታት ስኒ ሓርማዝ በጥ ይብሉ፡+ ኣብ ዓራውቲ የሳፍሑ፡+ደዓውል መጓሰን ስቡሓት ምራኹትን* ይበልዑ፣+ 5 ብደሃይ መሰንቆ፡* ደርፊ የውጽኡ፡+ከም ዳዊት ድማ ናውቲ ሙዚቃ ይምህዙ፣+ 6 ብጭሔሎ መሊኦም ወይኒ ይሰትዩ፡+ሕሩይ ዘይቲ ኸኣ ይቕብኡ። ብዛዕባ መዓት ዮሴፍ ግና ግዲ የብሎምን።*+ 7 ስለዚ፡ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም፣+ፈንጠዝያ እቶም ዘሳፍሑ ድማ ኪውዳእ እዩ። 8 ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብርእሱ* ምሒሉ ኣሎ’+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡‘“ኣነ ንትምክሕቲ ያእቆብ እፍንፍኖ፡+ንእተዓርደ ግምብታቱ ኸኣ እጸልኦ እየ፣+ነታ ኸተማን ነቲ ንዓኣ ዚመልኣን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ።+ 9 “‘“ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እንተ ተሪፎም ከኣ፡ ንሳቶም እውን ኪሞቱ እዮም። 10 ዘመድ* ተሰኪሙ ኼውጽኦምን በብሓደ ኼንድዶምን እዩ። ንኣዕጽምቶም ካብታ ቤት ኬውጽኦ እዩ፣ ሽዑ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኽፍልታት እታ ቤት ንዘሎ፡ ‘ምሳኻኸ ገለዶ ኣሎ፧’ ኪብሎ እዩ። ንሱ ድማ፡ ‘ገለ እኳ የልቦን’ ኪብል እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ስም የሆዋ ዚርቍሓሉ ግዜ ኣይኰነን እሞ፡ ስቕ በል!’ ኪብል እዩ።” 11 ዚእዝዝ ዘሎስ የሆዋ እዩ፣+ንዓባይ ቤት ድማ ወቒዑ ዑናታት ኪገብራ፡ንንእሽቶ ቤት ከኣ ፍሩሳት ኪገብራ እዩ።+ 12 ኣፍራስዶ ኣብ ከውሒ ይጐይዩ፡ወይስ ኣብዑርዶ ኣብኡ ይሕረሱ እዮም፧ ንስኻትኩምሲ ንፍትሒ ናብ መርዛም ተኽሊ፡ንፍረ ጽድቂ ድማ ናብ መሪር ተኽሊ* ለዊጥኩምዎ ኣለኹም።+ 13 ብኸንቱ ነገር ትሕጐሱ፣“ብብርታዐና ደይኰንናን ሓያላት ዝዀንና፧”* ከኣ ትብሉ።+ 14 ስለዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣንጻርኩም ህዝቢ ኸምጽእ እየ’+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡‘ንሳቶም ድማ ካብ ለቦ-ሓማት*+ ክሳብ ርባ ዓራባ ኺጭቍንኹም እዮም።’” 9 የሆዋ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ደው ኢሉ ረኣኽዎ፣+ ከምዚ ድማ በለ፦ “ንርእሲ እቲ ዓንዲ ውቕዓዮ እሞ እቲ ድርኵዂት ኪናወጽ እዩ። ኣብ ርእሲ ቝረጾም፣ ካባታቶም ንዚተረፉ ድማ ብሰይፊ ክቐትሎም እየ። ሓደ እኳ ሃዲሙ ዚመልቝ የልቦን፣ ሓደ እኳ ኼምልጥ ፈቲኑ ዚሰልጦ የልቦን።+ 2 ናብ መቓብር* እንተ ዅዒቶም፡ካብኡ ኢደይ ክትወስዶም እያ፣ናብ ሰማያት እንተ ደዪቦም ከኣ፡ካብኡ ኸውርዶም እየ። 3 ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እንተ ተሓቢኦም፡ካብኡ ደልየ ኽወስዶም እየ።+ ካብ ኣዒንተይ ኣብ ባይታ ባሕሪ እንተ ተሓቢኦም፡ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እሞ ንሱ ኺነኽሶም እዩ። 4 ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸይዶም፡ሰይፊ ኻብኡ ኽእዝዝ፡ ኪቐትሎም ድማ እዩ፣+ንጽቡቕ ዘይኰነስ፡ ንኽፉእ ከኣ ኣዒንተይ ኣባታቶም ክገብር እየ።+ 5 ነታ ምድሪ* ዚትንክያስ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፣ስለዚ፡ ንሳ ኽትመክኽ እያ፣+ ኵሎም ነበርታ ድማ ኪሓዝኑ እዮም፣+ኵላ ኸኣ ከም ኒል ክትትንስእ፡ከም ኒል ግብጺ እውን ለጠቕ ክትብል እያ።+ 6 ‘እቲ መደያይቦኡ ኣብ ሰማያት ዚሰርሕ፡ህንጻኡ* ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚስርት፡እቲ ኣብ ገጽ ምድሪ ኼፍስሶንማያት ባሕሪ ዚጽውዕ፡+ስሙ የሆዋ እዩ።’+ 7 ‘ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ ንዓይ ከም ደቂ ኩሻውያን ደይኰንኩምን፧’ ይብል የሆዋ። ‘ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ፡+ንፍልስጥኤማውያን ካብ ቅሬጥስ፡+ ንሶርያ ድማ ካብ ቂርዶ+ ኣየውጻእክዎምን፧’ 8 ‘እንሆ፡ ኣዒንቲ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ሓጥእ መንግስቲ እየን፣ንሱ ኸኣ ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍኣ እዩ።+ ግናኸ፡ ንቤት ያእቆብ ጠሪሰ ኣይከጥፍኦን እየ’+ ይብል የሆዋ። 9 ‘ከመይሲ፡ እንሆ፡ እእዝዝ ኣለኹ፣ንቤት እስራኤል ድማ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብከምቲ ብምሔ ዚንዝነዝ፡ ክንዝንዞ እየ፣+ሓንቲ ጸጸር እኳ ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ። 10 ኵሎም እቶም “መዓት ኣይኪቐርበናን ወይ ኣይኪበጽሓናን እዩ” ዚብሉሓጥኣን ህዝበይ ብሰይፊ ኺሞቱ እዮም።’ 11 ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነታ ዝወደቐት ዳስ* ዳዊት ከተንስኣ፡+ፍሩሳታ* ኽጽግን፡ዑናታታ እውን ከዐሪ እየ፣ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ዳግም ክሃንጻ እየ፣+ 12 በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኻብ ኤዶም ዝተረፈንንዅሎም እቶም ስመይ ኣባታቶም እተጸውዐ ኣህዛብን ኪወርሱ እዮም’+ ይብል እቲ እዚ ዚገብር ዘሎ የሆዋ። 13 ‘እንሆ፡ ሓረስታይ ንዓጻዲ፡ረጋጺ ፍረ ወይኒ ንተሰካሚ ዘርኢዜርክበሉ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’+ ይብል የሆዋ፣‘ኣኽራን ድማ ጕዕሽ ወይኒ ኼንጠብጥብ፡+ኵሉ ዅርባታት ከኣ እዚ ኼውሕዝ እዩ።*+ 14 ንምሩኻት ህዝበይ እስራኤል ክመልሶም እየ፣+ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ዳግም ሃኒጾም ኪነብርወን እዮም፣+ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ወይኖም ከኣ ኪሰትዩ፡+ስፍራ ኣታኽልቲ ኺገብሩ፡ ፍሪኡ ድማ ኪበልዑ እዮም።’+ 15 ‘ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ካብታ ዝሃብክዎም ምድሮም ከኣ፡ደጊም ከቶ ኣይኪምሓዉን እዮም’+ ይብል የሆዋ ኣምላኽካ።” 5 “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ብዛዕባኹም ዘልዕሎ ዘለኹ ልቕሶ ስምዑ፦ 2 ‘እታ ድንግል፡ እስራኤል፡ ወዲቓ፣ደጊም ክትትንስእ ኣይትኽእልን እያ። ኣብ ምድሪ ተሓዲጋ ኣላ፣ዜተንስኣ ድማ የልቦን።’ 3 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘እታ ሽሕ ኣሰሊፋ እትወጽእ ከተማ፡ ሚእቲ ኺተርፍዋ እዮም፣እታ ሚእቲ ሒዛ እትወጽእ ከተማ፡ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ኺተርፍዋ እዮም።’+ 4 “የሆዋስ ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ድለዩኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+ 5 ጊልጋል ብርግጽ ናብ ምርኮ ኽትከይድ፡+ቤት-ኤል ድማ ከንቱ* ኽትከውን እያ እሞ፡ንቤት-ኤል ኣይትድለይዋ፣+ናብ ጊልጋል ከኣ ኣይትኺዱ፡+ ናብ ብኤር-ሸባዕ እውን ኣይትሕለፉ።+ 6 ከም ሓዊ ኣብ ቤት ዮሴፍ ከይነትጕ እሞዜጥፍኦ ዘይብሉ ንቤት-ኤል ከይበልዓስ፡ንየሆዋ ድለይዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+ 7 ንፍትሒ ናብ መሪር ተኽሊ* ትልውጥዎ፣ንጽድቂ ኸኣ ናብ ምድሪ ትድርብይዎ።+ 8 እቲ ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ኪማን* ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ከሲልን* ዝገበረ፡+እቲ ንብርቱዕ ጽላሎት ናብ ንግሆ ዚቕይሮ፡እቲ ንመዓልቲ ኸም ለይቲ ዘጸልምቶ፡+እቲ ኣብ ገጽ ምድሪ ኼፍስሶ ኢሉንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡+ስሙ የሆዋ እዩ። 9 ኣብ ልዕሊ ብርቱዕሲ ጥፍኣት ኬንትጕ፡ኣብ ዕርድታት ከኣ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ። 10 ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዚገንሑ ይጸልእዎም፡ነቶም ሓቂ ዚዛረቡ ይፍንፍንዎም እዮም።+ 11 ካብ ድኻ መገስ* ስለ እተኽፍሉ፡እኽሉ ድማ ስለ እተገብሩ፡+ኣብቲ ዝሃነጽኩምዎ ኣባይቲ ውቑር ኣእማን ኣይክትቅመጡን፡+ካብቲ ዝተኸልኩምዎ ሕሩይ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ወይኒ ኣይክትሰትዩን ኢኹም።+ 12 ኣነስ በደልኩም* ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምዃኑ፡ሓጢኣትኩም ከኣ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ እፈልጥ እየ፣ንጻድቕ ተጨንቕዎ፡ጉቦ ትወስዱ፡ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ድማ መሰል ድኻታት ትኸልኡ።+ 13 ግዜ መዓት ኪኸውን እዩ እሞ፡+ስለዚ፡ እቶም ልቦና ዘለዎም ሽዑ ስቕ ኪብሉ እዮም። 14 ብህይወት ክትነብሩስ፡+ክፉእ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ድለዩ።+ ሽዑ፡ ከምቲ እትብልዎ፡የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።+ 15 ክፉእ ጽልኡ፡ ጽቡቕ ከኣ ኣፍቅሩ፣+ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ፍትሒ ይስፈን።+ ምናልባት የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊትነቶም ተረፍ ዮሴፍ ሞገሱ የርእዮም ይኸውን።’+ 16 “ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ልቕሶ ኪኸውን እዩ፣ኣብ ኵሉ ጐደናታት ድማ፡ “ዋይ፡ ዋይ!” ኪብሉ እዮም። ንሓረስቶት ናብ ሓዘን፡ንኣልቀስቲ ኸኣ ናብ ዋይዋይታ ኺጽውዕዎም እዮም።’ 17 ‘ኣነ ብማእከልካ ኽሓልፍ እየ እሞ፡ኣብ ኵሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ’+ ይብል የሆዋ። 18 ‘እቶም ንመዓልቲ የሆዋ ዚናፍቑስ ወይለኦም!+ መዓልቲ የሆዋ ደኣ ንዓኻትኩም እንታይ ክትከውን እያ፧+ ብርሃን ዘይኰነስ፡ ጸልማት ክትከውን እያ።+ 19 ከምቲ ኻብ ኣንበሳ ዚሃድም እሞ ድቢ ዜጓንፎ፡ናብ ቤት ኣትዩ ብኢዱ ኣብ መንደቕ ምስ ተጸግዐ ድማ ተመን ዚነኽሶ ሰብ ክትከውን እያ። 20 መዓልቲ የሆዋስ ብርሃን ዘይብላ ጸልማት ደይኰነትን ክትከውን፧ ድምቀት ዘይብላ ድነ ደይኰነትን ክትከውን፧ 21 ንበዓላትኩም እጸልኦን እንዕቆን እየ፣+ብጨና ፍሉይ ኣኼባታትኩም እውን ባህ ኣይብለንን እዩ። 22 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መባእን እኳ እንተ ኣቕረብኩምለይ፡ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ፣+ነቲ ናይ ስቡሓት እንስሳታት መስዋእቲ ሕብረትኩም እውን ብሞገስ ኣይጥምቶን እየ።+ 23 ጫውጫውታ መዝሙራትካ ኣርሕቐለይ፣ደሃይ በገናታትካ ኸኣ ኣይተስምዓኒ።+ 24 ፍትሒ ኸም ማያት፡+ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ወሓዚ ይውሓዝ። 25 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ 40 ዓመት ኣብ በረኻስ፡መስዋእትን መባእን ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧+ 26 ሕጂ ነቲ ንጉስኩም ሳኩትን ንኬዋንን፡*ንምስልታትኩም፡ ነቲ ንዓኻትኩም ዝገበርኩምዎ ኰዀብ ኣምላኽኩም ተሰኪምኩም ክትከዱ ኢኹም፣ 27 ኣነ ድማ ናብ ምርኮ ኽንየው ደማስቆ ኽሰድደኩም እየ’+ ይብል እቲ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ።”+ 1 ራእይ ኦብድያ፦* እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል፦+ “ካብ የሆዋ ወረ ሰሚዕና ኣለና፣ልኡኽ ናብ ኣህዛብ ተላኢኹ ኣሎ፦ ‘ተንስኡ፡ ኣንጻራ ንውግእ ንዳሎ።’”+ 2 “እንሆ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንእሽቶ ገይረካ ኣለኹ፣ንስኻ ጠሪስካ እተነዓቕካ ኢኻ።+ 3 ኣታ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ እትነብር፡ኣብ በሪኽ እትቕመጥ፡ ብልብኻ ድማ፡‘መን ናብ ምድሪ ኼውርደኒ እዩ፧’ እትብል፡ድፍረት ልብኻ እዩ ኣታሊሉካ።+ 4 ከም ንስሪ እኳ ኣብ ላዕሊ እንተ ትቕመጥ፡*ሰፈርካ እውን ኣብ መንጎ ኸዋኽብቲ እንተ ትገብር፡ካብኡ ኸውርደካ እየ” ይብል የሆዋ። 5 “ሰረቕቲ እንተ ዚመጹኻ፡ ዘመትቲ እውን ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፡(ከመይ ኰን ጠሪስካ ምጠፋእካ!)*እቲ ዝደለይዎ ጥራይዶ ኣይምሰረቑን፧ ኣረይቲ ወይኒ እንተ ዚመጽኡኻኸ፡ገለ ቐሪምዶ ኣይምሓደጉን፧+ 6 ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ኰን እዩ ተናድዩ! እቲ ሕቡእ መዛግብቱ እውን ክንደይ ኰን እዩ ተደልዩ! 7 ናብ ዶብ ሰጒጎምኻ። ኵሎም እቶም ኪዳን ዝኣተዉልካ፡ ኣታሊሎምኻ። እቶም ምሳኻ ሰላም ዝገበሩ፡ ስዒሮምኻ። እቶም ምሳኻ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኣብ ትሕቴኻ መርበብ ኪገብሩ እዮም፣ንስኻ ግና ኣይከተስተውዕሎን ኢኻ። 8 በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡“ካብ ኤዶምሲ ጥበበኛታት፡ካብ ኣኽራን ኤሳው ከኣ ምስትውዓልዶ ኣይከጥፍእን እየ፧+ 9 ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኽራን ኤሳው ዘሎ በቲ ማሕረዲ ኺጠፍእ እዩ እሞ፡+ኣታ ቴማን፡+ ጀጋኑኻ ኺሽበሩ እዮም።+ 10 ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ እተገብረ ዓመጻ፡+ሕፍረት ኪኸድነካ እዩ፣+ንዘለኣለም ድማ ክትጠፍእ ኢኻ።+ 11 በታ ተኣሊኻ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፡በታ መጻእተኛታት ንሰራዊቱ ናብ ምርኮ ዝወሰዱላ፡+ጓኖት ከኣ ብኣፍ ደጊኡ ኣትዮም ንየሩሳሌም ዕጫ ዘውደቑላ መዓልቲ፡+ከም ሓደ ኻባታቶም ነበርካ። 12 በታ መዓልቲ ሽግሩ፡ ብመዓልቲ ሓውካ ኽትድሰት፡+በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብህዝቢ ይሁዳ ኽትሕጐስ፡+በታ መዓልቲ ጭንቆም ከኣ፡ ብትዕቢት ክትዛረብሲ ግቡእ ኣይኰነን። 13 በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብኣፍ ደገ ህዝበይ ክትኣቱ፡+በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ፡ ብመዓቱ ኽትድሰት፡በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ ድማ፡ ኢድካ ናብ ሃብቱ ኽትዝርግሕሲ ግቡእ ኣይኰነን።+ 14 ነቶም ካብኡ ዘምለጡ ንምሕራድ ኣብ መስቀላዊ መገድታት ደው ክትብል፡+ብመዓልቲ ጭንቂ ኸኣ፡ ነቶም ካብኡ ዝተረፉ ኣሕሊፍካ ኽትህቦምሲ ግቡእ ኣይኰነን።+ 15 መዓልቲ የሆዋስ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ።+ ከምቲ ዝገበርካዮ ኽትግበር ኢኻ።+ ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለስ እዩ። 16 ከምቲ ኣብ ቕዱስ ከረነይ ዝሰተኹምዎ፡ኵሎም ኣህዛብ ወትሩ ኺሰትዩ እዮም።+ ኪሰትዩን ኪጭልጡን፡ከም ዘይነበሩ ድማ ኪዀኑ እዮም። 17 ኣብ ከረን ጽዮን ግና ዘምለጡ ኺህልዉ እዮም፣+ንሱ ኸኣ ቅዱስ ኪኸውን እዩ፣+ቤት ያእቆብ እውን ርስቶም ኪርስተዩ እዮም።+ 18 ቤት ያእቆብ ድማ ሓዊ፡ቤት ዮሴፍ ከኣ ሃልሃልታ፡ቤት ኤሳው እውን ሓሰር ኪዀኑ እዮም፣የሆዋ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ኬባርዕዎምን ኪበልዕዎምን እዮም፣ካብ ቤት ኤሳው ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።+ 19 ነጌብን ኣኽራን ኤሳውን፡+ሼፈላን ምድሪ ፍልስጥኤምን ኪርስተዩ እዮም።+ መሮር ኤፍሬምን መሮር ሰማርያን ኪርስተዩ እዮም፣+ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ። 20 ምድሪ ከነኣናውያን ክሳብ ሰራጵታ+ ነቶም ስደተኛታት እዛ ዕርዲ እዚኣ፡ንህዝቢ እስራኤል ኪዀና እየን።+ እቶም ኣብ ሰፋራድ ዝነበሩ ምሩኻት የሩሳሌም ከኣ ከተማታት ነጌብ ኪርስተዩ እዮም።+ 21 መድሓንቲ ድማ ንኣኽራን ኤሳው ኪፈርዱስ፡+ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፣ንግስና ኸኣ ናይ የሆዋ ኪኸውን እዩ።”+ 3 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዮናስ ካልኣይ ሳዕ መጸ፦+ 2 “ተንስእ፡ ናብ ነነዌ+ እታ ዓባይ ከተማ ኼድካ፡ እቲ ዝነግረካ መልእኽቲ ኣውጀላ።” 3 ዮናስ ከኣ ንቓል የሆዋ ተኣዚዙ፡+ ተንሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ።+ ነነዌ ድማ ኣዝያ ዓባይ ከተማ፡* መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ነበረት። 4 ሽዑ፡ ዮናስ ናብታ ኸተማ ኣተወ፣ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ እናኸደ ድማ፡ “ኣብ 40 መዓልቲ፡ ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ኢሉ ኣወጀ። 5 ሰብ ነነዌ ኸኣ ብኣምላኽ ኣመኑ፣+ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓብዪኦም ክሳዕ ንእሽቶኦም እውን ማቕ ተኸድኑ። 6 እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ ምስ በጽሐ፡ ካብ ዝፋኑ ተንስአ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ማቕ ተኸድነ፡ ኣብ ሓምዅሽቲ እውን ተቐመጠ። 7 ኣብ ብዘላ ነነዌ ኸኣ ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ኣውጽአ፦ “ብትእዛዝ ንጉስን ልዑላኑን፦ ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ከብቲ ዀነ ጤለ በጊዕ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓሙ፡ ኣይብልዑ፡ ማይ እውን ኣይስተዩ። 8 ሰብን እንስሳን ማቕ ይከደኑ፣ ናብ ኣምላኽ ይማህለሉ፣ ካብ እኩይ መገድታቶምን ካብ ተግባር ዓመጻኦምን እውን ይመለሱ። 9 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ኺገብሮ ዝሓለኖ ዳግም እንተ ሓሰበሉ* እሞ ኸይንጠፍእ ካብ ዚነድድ ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ፡ መን ይፈልጥ፧” 10 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገድታቶም ከመይ ከም እተመልሱ ግብሮም ምስ ረኣየ፡+ ነቲ ኼምጽኣሎም ኢልዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ፣* ኣየምጽኣሎምን እውን።+ 1 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዮናስ*+ ወዲ ኣሚታይ መጸ፦ 2 “እከዮም ናብ ቅድመይ ደዪቡ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ+ እታ ዓባይ ከተማ ኼድካ፡ ፍርዲ ኣውጀላ።” 3 ዮናስ ግና ካብ የሆዋ ናብ ተርሲስ ኪሃድም ተንስአ፣ ናብ ያፎ* ኸኣ ወረደ፡ ናብ ተርሲስ እትኸይድ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ የሆዋ ርሒቑ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከኣ፡ ዋጋ ኸፊሉ ደየበ። 4 ሽዑ፡ የሆዋ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ፣ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ ድማ፡ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ። 5 እቶም መርከበኛታት ከኣ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ፡ ነፍሲ ወከፎም ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ምእንቲ ኼፍኵሱላ ድማ፡ ንኣቕሑ እታ መርከብ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ።+ ዮናስ ግና ናብቲ ውሽጣዊ ኽፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፡ ኣብኡ በጥ ኢሉ ኸቢድ ድቃስ ደቂሱ ነበረ። 6 እቲ ኣዛዝ መርከብ ከኣ ናብኡ ቐሪቡ፡ “ስለምንታይ ትድቅስ ኣለኻ፧ ተንስእ፡ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል! ምናልባት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይሓስበልና እሞ ኣይንጠፍእን ንኸውን” በሎ።+ 7 ሽዑ፡ ንሓድሕዶም፡ “በዚ መዓት እዚ መን ተሓታቲ ምዃኑ ኽንፈልጥሲ፡ ንዑ ዕጫ ነውድቕ”+ ተባሃሃሉ። ዕጫ ኸኣ ኣውደቑ፣ እታ ዕጫ እውን ኣብ ዮናስ በጽሐት።+ 8 ንሳቶም ድማ፡ “በጃኻ እስከ ንገረና፡ በዚ ዝወረደና መዓት እዚ መን እዩ ተሓታቲ፧ ዕዮኻ እንታይ እዩ፧ ካበይከ ኢኻ መጺእካ፧ ኣበይ እዩ ሃገርካ፧ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ፧” በልዎ። 9 ንሱ ድማ፡ “ኣነ እብራዊ እየ፣ ነቲ ባሕርን ንቑጽ ምድርን ዝገበረ የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት እውን እፈርሆ* እየ” በሎም። 10 ሽዑ፡ እቶም ሰባት ኣዝዮም ፈርሁ እሞ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧” በልዎ። (ንሱ ስለ ዝነገሮምሲ፡ ካብ የሆዋ ይሃድም ከም ዘሎ ፈሊጦም ነበሩ።) 11 እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም፡ “ባሕሪ ኺሃድኣልናስ እንታይ ንግበርካ፧” በልዎ። 12 ንሱ ኸኣ፡ “እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝመጸኩም እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ድማ ኪሃድኣልኩም እዩ” በሎም። 13 እቶም ሰባት ግና ነታ መርከብ ናብ ንቑጽ ምድሪ ንምምላስ ኣበርቲዖም ቀዘፉ፣ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ግና ኣይከኣሉን። 14 ሽዑ፡ “ኣየ ኣታ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ብሰሪ እዚ ሰብኣይ እዚ* ኣይንጥፋእ! ኦ የሆዋ፡ ባህ ዝበለካ ስለ ዝገበርካ፡ ብንጹህ ደም ተሓተትቲ ኣይትግበረና” ኢሎም ናብ የሆዋ ኣእወዩ። 15 ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፣ እቲ ባሕሪ እውን ምንዋጹ ኣቋረጸ። 16 ሽዑ፡ እቶም ሰባት ንየሆዋ ኣዝዮም ፈርህዎ፣+ ንየሆዋ ኸኣ ሰውኡሉ፡ መብጽዓ እውን ተመባጽዑ። 17 የሆዋ ድማ ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ሰደደ፣ ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።+ 2 ሽዑ፡ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ የሆዋ ኣምላኹ ጸለየ፡+ 2 ከምዚ እውን በለ፦ “ካብ ጭንቀይ እተላዕለ ንየሆዋ ጸዊዐዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ።+ ካብ መዓሙቝ* መቓብር* ኣእውየ።+ ንስኻ ድማ ድምጸይ ሰሚዕካ። 3 ናብ መዓሙቝ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ ምስ ደርበኻኒ፡ሽዑ፡ ወሓይዝ ውሒጡኒ።+ ሞገዳትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓሊፉ።+ 4 ኣነ ኸኣ፡ ‘ካብ ኣዒንትኻ ተሰጒጐ እየ! ከመይ ገይረ ነታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስ ክጥምታ እየ፧’ ኢለ። 5 ማያት ውሒጡኒ፡ ንህይወተይ እውን ኣስጊኡዋ፣*+መዓሙቝ ማያት ድማ ከቢቡኒ። ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጢሙ። 6 ናብ እግሪ ኣኽራን ሰጢመ። ተገዳማት ምድሪ ንዘለኣለም ኣብ ልዕለይ ይዕጾ ነይሩ። ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውጺእካያ።+ 7 ህይወተይ* ክትቅህም ከላ፡ ንየሆዋ ዘኪረዮ።+ ሽዑ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስካ ኣትዩ።+ 8 እቶም ንኸንቱ ጣኦታት ውፉያት ዝዀኑ፡ ንምንጪ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ* ይሓድግዎ። 9 ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ እየ። እተመባጻዕክዎ ኽፍጽም እየ።+ ድሕነት ካብ የሆዋ እዩ።”+ 10 የሆዋ ኸኣ ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፣ ንሱ ድማ ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ። 4 እዚ ግና ንዮናስ ኣዝዩ ኣጕሃዮ፡ ብቝጥዓ እውን ነደደ። 2 ስለዚ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦ “ኣየ ኣታ የሆዋ፡ ኣብ ምድረይ ከለኹስ እዚ ደይኰነን ዘተሓሳሰበኒ፧ ንስኻ ርሕሩሕን* መሓርን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን+ ብመዓት እትሓዝንን ከም ዝዀንካ እፈልጥ እየ እሞ፡ ስለዚ እየ ብቐደሙ ናብ ተርሲስ+ ክሃድም ዝሓሰብኩ። 3 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ፡ ብህይወት ካብ ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ እሞ፡ በጃኻ ንህይወተይ* ኣጥፍኣያ።”+ 4 የሆዋ ድማ፡ “ኣመና ምቝጣዕካስ ግቡእ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። 5 ሽዑ፡ ዮናስ ካብታ ኸተማ ወጺኡ፡ ብምብራቕ እታ ኸተማ ተቐመጠ። ኣብኡ ኸኣ ንገዛእ ርእሱ ዳስ ገበረ፣ ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኺርኢ ድማ፡ ኣብ ጽላላ ተቐመጠ።+ 6 የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎን ካብ ጸበባኡ ኸተፍኵሰሉን ኢሉ ኣብ ልዕሊኡ እትዓቢ ተኽሊ ሓምሓም* ኣዳለወ። ዮናስ ድማ በታ ተኽሊ ሓምሓም ኣዝዩ ተሓጐሰ። 7 ንጽብሒቱ ምስ ወግሐ ግና፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ሓሰኻ ሰደደ፣ ንሱ ድማ ነታ ተኽሊ ሓምሓም ኣጥቅዓ እሞ ጸምለወት። 8 ጸሓይ ምስ በረቐት ከኣ፡ ኣምላኽ ዚምሽሉቝ ንፋስ ምብራቕ ሰደደ፣ ጸሓይ ከኣ ንዮናስ ርእሱ ወቕዓቶ፡ ንሱ እውን ደኸመ። “ብህይወት ካብ ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ” እናበለ ድማ ሞት* ይልምን ነበረ።+ 9 ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ፡ “በታ ተኽሊ ሓምሓም ምቝጣዕካስ ግቡእ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ ሽዑ፡ ንሱ፡ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ እዩ” በለ። 10 የሆዋ ግና ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ነታ ዘይደኸምካላን ዘየዕበኻያን ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት ብሓንቲ ለይቲ እውን ዝጠፍአት ተኽሊ ሓምሓም ደንጊጽካላ። "11 ኣነኸ ነታ ቕኑዕን ጌጋን* ዘይፈልጡ ኻብ 120,000 ዚበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳታትን ዘለውዋ ዓባይ ከተማ ነነዌ ኽድንግጸላዶ ኣይግብኣንን፧”+" 3 ከምዚ ድማ በልኩ፦ “ኣቱም ርእስታት ያእቆብ፡ኣቱም ኣዘዝቲ ቤት እስራኤል፡ በጃኹም ስምዑ።+ ፍትሒ ዘበለስ ክትፈልጡዶ ኣይግብኣኩምን፧ 2 ንስኻትኩም ግና ጽቡቕ ትጸልኡ፡+ ክፉእ ከኣ ትፈትዉ ኢኹም፣+ቈርበቶም ካብ ህዝበይ ትቐልጡ፡ ስጋኦም እውን ካብ ኣዕጽምቶም ትስጥዩ።+ 3 ስጋ ህዝበይ እውን ትበልዑ፣+ቈርበቶም ትቐልጡ፣ከምቲ ኣብ ቍራዕ፡ ኣብ ድስቲ ዚስኽተት ስጋ ኪዀኑ፡ኣዕጽምቶም ትሰብሩን ትሕምሽሹን።+ 4 ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ኺምህለሉ እዮም፣ንሱ ግና ኣይኪምልሰሎምን እዩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ብሰንኪ እቲ እኩይ ግብርታቶም፡ገጹ ኺሓብኣሎም እዩ።+ 5 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዜስሕቱ ዘለዉ፡+ብኣስናኖም እናነኸሱ፡*+ ‘ሰላም!’ ኢሎም ዚእውጁ፡+ናብ ኣፎም ገለ እኳ ንዘየዀለሰ ግና ውግእ ዚእውጁ* ነብያት ከምዚ ይብል፦ 6 ‘ለይቲ እምበር፡+ ራእይ ኣይኪዀነልኩምን፡+ጸልማት ጥራይ እምበር፡ ጥንቈላ ኣይኪዀነልኩምን እዩ። ጸሓይ ኣብ ነብያት ክትዓርብ፡መዓልቲ ኸኣ ክትጽልምቶም እያ።+ 7 እቶም ሰብ ራእይ ኪሓንኩ፡+እቶም ጠንቈልቲ ድማ ኪሓፍሩ እዮም። ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን እሞ፡ኵላቶም ጭሕሞም* ኪኸድኑ እዮም።’” 8 ኣነ ኸኣ ንያእቆብ በደሉ፡ ንእስራኤል ድማ ሓጢኣቱ ኽነግሮስ፡ብመንፈስ የሆዋ ሓይልንፍትሕን ብርታዐን ተመሊአ ኣለኹ። 9 ኣቱም ርእስታት ቤት ያእቆብ፡ኣቱም ኣዘዝቲ ቤት እስራኤል፡+ በጃኹም እዚ ስምዑ፣ንስኻትኩም ፍትሒ ትፍንፍኑ፡ ንዅሉ ቕኑዕ ከኣ ተቕንኑ፣+ 10 ንጽዮን ብምፍሳስ ደም፡ ንየሩሳሌም ድማ ብዓመጻ ትሃንጹ።+ 11 መራሕታ* ብጉቦ ይፈርዱ፣+ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፡+ነብያታ ኸኣ ብገንዘብ* ይጥንቍሉ።+ ግናኸ፡ “የሆዋስ ምሳና ደይኰነን፧+ መዓት ኣይኪወርደናን እዩ”+እናበሉ ናብ የሆዋ ይጽግዑ።* 12 ስለዚ፡ ብሰርኹም፡ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡የሩሳሌም ከኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ፣+ከረን እታ ቤት* ድማ ኣብ ዱር ከም ዘሎ በረኽቲ* ኪኸውን እዩ።+ 7 ኣነ ኸምቲ ፍረ ሓጋይ ምስ ተኣከበ፡ድሕሪ ምእካብ ፍረ ወይኒ ኸኣ ቀሪም ምስ ተቐርመ፡ዚብላዕ ዘለላ ወይኒ ዀነዝምነዮ* ቐዳማይ በለስ ዘይረክብኰይነ እየ እሞ፡ ወይለይ! 2 እሙን ካብ ምድሪ ጠፊኡ፣ኣብ መንጎ ሰባት፡ ሓደ እኳ ቕኑዕ የልቦን።+ ኵላቶም ደም ኬፍስሱ የድብዩ።+ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ብመርበብ ይሃድኖ። 3 ኣእዳዎም ንኽፉእ ተግባር ክኢላታት እየን፣+መስፍን ይግድድ፡ፈራዲ ዓስቢ ይደሊ፡+ምርኡይ ትምኒቱ* ይገልጽ፡+ብሓባር ኰይኖም ድማ ይዓይዩ።* 4 እቲ ኻባታቶም ዝበለጸ ኸም እሾዅ እዩ፣እቲ ኻባታቶም ዝቐንዐ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾዅ ይገድድ። መዓልቲ ሓለውትኻን ምጽብጻብካን ክትመጽእ እያ።+ ሕጂ ኺስምብዱ እዮም።+ 5 ብብጻይካ ኣይትእመን፣ወይ ብናይ ቀረባ ዓርክኻ ኣይትተኣመን።+ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትድቅስ፡ ኣፍካ ሓሉ። 6 ወድስ ንኣቦኡ ይንዕቕ፡ጓል ኣንጻር ኣዲኣ ትልዓል፡+ሰበይቲ ወዲ ኣንጻር ሓማታ ትኸውን፣+ንሰብ ቤተ ሰቡ ጸላእቱ እዮም።+ 7 ኣነ ግና ናብ የሆዋ ኽጥምት፡+ንኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክጽበዮ* እየ።+ ኣምላኸይ ኪሰምዓኒ እዩ።+ 8 ኣቲ ጸላኢተይ፡ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ። ዋላ እኳ እንተ ወደቕኩ፡ ክትንስእ እየ፣ኣብ ጸልማት እኳ እንተ ተቐመጥኩ፡ የሆዋ ብርሃነይ ኪኸውን እዩ። 9 ንዕኡ በዲለዮ እየ እሞ፡+ንጕዳየይ ክሳዕ ዚማጐተለይን ፍትሒ ኽሳዕ ዘውጽኣለይንነድሪ የሆዋ ኽጸውር እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዩ፣ጽድቁ ኽርኢ እየ። 10 እታ፡ “የሆዋ ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ፧” ዝበለትኒ+ጸላኢተይ እውን ክትርኢ፡ብሕፍረት ከኣ ክትክደን እያ። ኣዒንተይ ኪርእያኣ እየን። ሕጂ ኸም ጭቃ ጐደና ኽትርገጽ እያ። 11 እታ መካበብያ ዚህነጸላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ዶብ ኪሰፍሕ እዩ።* 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ኣሶርን ከተማታት ግብጽን፡ካብ ግብጺ ኽሳብ መገዲ እቲ ፈለግ፡*ካብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ ካብ ከረን እውን ክሳብ ከረን+ናባኻ ኺመጹ እዮም። 13 እታ ምድሪ ብሰሪ ነበርታ፡ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ* ኽትባድም እያ። 14 ንህዝብኻ፡ ንመጓሰ ርስትኻ፡ነቲ ኣብ ዱር፡ ኣብ ማእከል ግራት ፍረታት በይኑ ዚነብር ዝነበረ፡ ብበትርኻ ጓሲ።+ ከምቲ ናይ ቀደም፡ ኣብ ባሳንን ጊልዓድን+ ይብልዑ። 15 “ከምተን ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልትታት፡ዜደንቕ ነገራት ኬርእዮ እየ።+ 16 ኣህዛብ ምስ ኵሉ ሓይሎም ኪርእዩን ኪሓፍሩን እዮም።+ ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ እዮም፣ኣእዛኖም ድማ ጸማማት ኪዀና እየን። 17 ከም ኣትማን ሓመድ ኪልሕሱ፡+ከም ለመምታ ምድሪ ኸኣ ካብ ዕርዶም ራዕራዕ እናበሉ ኺወጹ እዮም። እናረዓዱ ናብ የሆዋ ኣምላኽና ኺመጹ፡ንዓኻ እውን ኪፈርሁኻ እዮም።”+ 18 ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ስሕተት ዚሓድግ፡ ኣበሳ+ እቲ ተረፍ ርስቱ+ ዚሓልፍ መን እዩ፧ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ እዩ ደስ ዚብሎ እሞ፡+ቍጥዓኡ ንዘለኣለም ኣይዓቍርን እዩ። 19 መሊሱ ኺምሕረና፡+ ንስሕተትና ኸኣ ኪስዕሮ* እዩ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽትድርብዮ ኢኻ።+ 20 ከምቲ ቐደም ንኣቦታትና ዝመሓልካሎም፡+ንያእቆብ ተኣማንነት ከተርኢ፡ንኣብርሃም ድማ ብተኣማንነት ከተፍቅሮ ኢኻ። 1 ብዘመን ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን+ ነገስታት ይሁዳ፡+ ናብ ሚክያስ*+ ብዓል ሞረሸት ዝመጸ፡ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ከኣ ብራእይ ዝረኣዮ ቓል የሆዋ፦ 2 “ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፡ ስምዑ! ኣቲ ምድሪ ምስቲ ንዓኺ ዝመልኣኪ ኣቕልቢ፣እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡—የሆዋ ኻብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ፡—ኣንጻርኩም ይመስክር።+ 3 እንሆ፡ የሆዋስ ካብ ቦታኡ ይወጽእ ኣሎ፣ወሪዱ ድማ ንበረኽቲ ምድሪ ኺረግጾ እዩ። 4 ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ፡ከምቲ ኣብ ጸድፊ ዝፈሰሰ ማያት፡ኣኽራን ኣብ ትሕቲኡ ኺመክኽ፡+ስንጭሮታት* ከኣ ኪጭደድ እዩ። 5 እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብ፡ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤል እዩ።+ በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፧ ሰማርያ ደይኰነትን፧+ በረኽቲ ይሁዳኸ እንታይ እዩ፧+ የሩሳሌም ደይኰነትን፧ 6 ንሰማርያ ዅምራ ዑናታት መሮር፡ቦታ መትከሊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽገብራ እየ፣ንኣእማና ናብ ስንጭሮ ኽድርብዮ፡ንመሰረታታ ድማ ጥራዩ ኽገብሮ እየ። 7 ኵሉ ቕሩጽ ምስልታታ ኺሕምሸሽ፡+ኵሉ እቲ እተቘጽረትሉ ህያባታ* ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ።+ ንዅሎም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ። ንዓታቶምሲ ብዓስቢ ምንዝርና እያ ኣኪባቶም፡መሊሶም እውን ዓስቢ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም።” 8 ብሰሪ እዚ ዋይዋይ ክብልን ከእውን እየ፣+ጥራይ እግረይን ጥራየይን ክኸይድ እየ።+ ዋይዋይታይ ከም ናይ ወኻሩ፡*ሓዘነይ ድማ ከም ናይ ሰገናት ኪኸውን እዩ። 9 ከመይሲ፡ ቍስላ ኺሓዊ ዘይክእል እዩ፣+ክሳብ ይሁዳ መጺኡ ኣሎ።+ መዓት ናብ ኣፍ ደገ ህዝበይ ናብ የሩሳሌም ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።+ 10 “ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፣ጠሪስኩም ኣይትብከዩ። ኣብ ቤት-ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በሉ። 11 ኣቱም ነበርቲ ሳፊር፡ ዓሪቕኩምን ሓፊርኩምን ተሳገሩ።* ነበርቲ ጾኣናን ኣይወጹን።* ኣብ ቤት-ኤጽል ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ፣ ደገፋ እውን ካባኻትኩም ከተርሕቕ እያ። 12 ነበርቲ ማሮትሲ ጽቡቕ ተጸብዮም፣*ክፉእ ግና ካብ የሆዋ ናብ ኣፍ ደገ የሩሳሌም መጺኡ። 13 ኣቱም ነበርቲ ላኪሽ፡+ ሰረገላ ምስ ጕጅለ ኣፍራስ እሰሩ።* ኣባኻትኩም በደላት እስራኤል ተረኺቡ እዩ እሞ፡ንስኻትኩም ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኢኹም ኔርኩም።+ 14 ስለዚ፡ ንሞረሸት-ጋት ህያባት ስንብታ ኽትህቡ ኢኹም። ኣባይቲ ኣክዚብ+ ንነገስታት እስራኤል ዜታልል እዩ ነይሩ። 15 ኣቱም ነበርቲ ማረሻ፡+ ነቲ ሰዓሪ* ኸምጽኣልኩም እየ።*+ ክብሪ እስራኤል ክሳብ ዓዱላም+ ኪመጽእ እዩ። 16 ነቶም እትፈትውዎም ደቅኹም፡ ጸጕርኹም ተመለጡሎምን ተላጸዩሎምን። ካባኺ ናብ ምርኮ ተወሲዶም እዮም እሞ፡+ከም ንስሪ ተመለጡ።” 2 “እቶም ጕድኣት ዚሓስቡ፡ኣብ ዓራቶም እከይ ዚኣልሙ፡ ወይለኦም! ኣብ ኢዶም ሓይሊ ኣሎ እሞ፡ንግሆ ምስ በርሀ፡ ይገብርዎ።+ 2 ግራውቲ ይምነዩ፡ ይምንዝዕዎ ኸኣ፣+ኣባይቲ እውን ይምነዩ፡ ይወስድዎ ድማ፣ንሰብኣይ ዓሚጾም ቤቱ የግድፍዎ፣+ንሰብ እውን ርስቱ የሕድግዎ። 3 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣነ ኣንጻር እዚ ዓሌት እዚ ዘይተምልጡሉ*+ መዓት ምሂዘ ኣለኹ።+ ግዜ መዓት እዩ እሞ፡+ ደጊም ብትዕቢት ኣይክትመላለሱን ኢኹም።+ 4 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዛዕባኹም ኪምስሉ፡ኣምሪሮም እውን ኬልቅሱልኩም እዮም።+ “ጠሪስና ጠፊእና ኢና!+ ግደ ህዝበይ ለዊጥዎ፡—ከመይ ገይሩ ዀን እዩ ዘሕደገኒ!+ ግራውትና ድማ ንዘይእሙን ዓዲልዎ” ኺብሉ እዮም። 5 ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ነታ ምድሪ ብዕጫ ንምዕዳልሲ፡ገመድ መለክዒ ዚዝርግሕ ኣይኪህልወካን እዩ። 6 “ኣይትስበኹ! እዚ ነገራት እዚ ኺሰብኩ የብሎምን፣ውርደት ኣይኬርክበናን እዩ!” ኢሎም ይሰብኩ። 7 ኣታ ቤት ያእቆብ፡ ከምዚዶ ይብሃል ኣሎ፦ “መንፈስ የሆዋዶ ዓቕሊ ዘይብሉ ዀይኑ እዩ፧ እዝስ ግብርታቱ ድዩ፧” ቃላተይ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ጽቡቕ ደይኰነን ዜምጽኣሎም፧ 8 ኣብ ቀረባ ግዜ ግና ህዝበይ ከም ጸላኢ ተንሲኡ ኣሎ። ካብቶም ካብ ውግእ ከም ዚምለሱ ዀይኖም ብምትእምማን ዚሓልፉስ፡ክቡር ስልማት ምስ* ክዳን ብግህዶ ትቕንጥጡ። 9 ንኣንስቲ ህዝበይ ካብቲ ደስ ዜብል ኣባይተን ትሰጕጉወን፣ካብ ደቀን ግርማይ ንዘለኣለም ትወስዱ። 10 እዚ ቦታ ዕረፍቲ ኣይኰነን እሞ፡ ተንስኡ፡ ኪዱ። ብሰሪ ርኽሰት፡+ ጥፍኣት፡ ብርቱዕ ጥፍኣት ኣሎ።+ 11 ሰብ ደድሕሪ ንፋስን ምትላልን እንተ ተመላሊሱ፡“ብዛዕባ ወይንን ኣልኮላዊ መስተን ክሰብከልካ እየ” ኢሉ ድማ ሓሶት እንተ ተዛሪቡ፡ነዚ ህዝቢ እዚ ዚኸውን ሰባኺ ንሱ እዩ!+ 12 ኣታ ያእቆብ፡ ንዅልኻ ብርግጽ ክእክበካ፡ንዝተረፉ እስራኤል እውን ብርግጽ ክእክቦም እየ።+ ከም ኣባጊዕ ኣብ ደምበ፡ከም መጓሰ ኣብ መጓሰዪ፡ ብሓደ ኽገብሮም እየ፣+ኣብኡ ጫውጫውታ ህዝቢ ኪኸውን እዩ።’+ 13 እቲ ዚፍንጥስ ኣብ ቅድሚኦም ኪኸይድ እዩ፣ንሳቶም ኪፍንጥሱን በታ ኣፍ ደገ ኺሓልፉን ብእኣ ኺወጹን እዮም።+ ንጉሶም ቀቅድሚኦም ኪሓልፍ፡የሆዋ እውን ኪመርሖም* እዩ።”+ 4 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ከረን ቤት የሆዋ+ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ድማ ልዕል ኪብል እዩ፣ናብኡ ኸኣ ኵሎም ህዝብታት ኪውሕዙ እዮም።+ 2 ብዙሓት ኣህዛብ ድማ ኪኸዱ፡“ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ፡ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ።+ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና፡ንሕና እውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ኸኣ ኪብሉ እዮም። ሕግስ* ካብ ጽዮን፡ቃል የሆዋ ድማ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ። 3 ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ፡+ንብርቱዓት ኣህዛብ ድማ ነገር ኬቕንዓሎም እዩ። ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም።+ ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም።+ 4 ኣፍ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣+ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።+ 5 ኵሎም ህዝብታትሲ፡ ነፍሲ ወከፍ በብስም ኣምላኹ ኺመላለስ እዩ፣ንሕና ግና ብስም የሆዋ ኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክንመላለስ ኢና።+ 6 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡“ነቲ ዚሕንክስ ዝነበረ ኽእክቦ፡*ንእተበተነ ድማ፡ምስቶም እተገፍዑ ኽእክቦ እየ።+ 7 ነቲ ዚሕንክስ ዝነበረ፡* ተረፍ፡+ነቲ ዝረሓቐ ኸኣ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብሮ እየ።+ የሆዋ ድማ ኣብ ከረን ጽዮንካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ። 8 ንስኻ ኸኣ፡ ኣታ ግምቢ መጓሰ፡ኣታ ዅምራ ጓል ጽዮን፡+ናባኻ ኽትመጽእ፡ እወ፡ እታ ቐዳመይቲ* ግዝኣት፡+እታ መንግስቲ ጓል የሩሳሌም ክትመጽእ እያ።+ 9 ሕጂኸ ስለምንታይ ኢኺ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ ዘለኺ፧ ከም ናይ እትሓርስ ሰበይቲ ቕልውላው ዝሓዘክስ፡+ንጉስዶ የብልክን፡ወይስ ኣማኻሪኺዶ ጠፊኡ እዩ፧ 10 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ሕጅስ ካብ ከተማ ወጺእኪ ኣብ መሮር ክትነብሪ ኢኺ እሞ፡ከም እትሓርስ ሰበይቲተፍሓስን ግዓርን። ክሳብ ባቢሎን ክትከዲ፡+ኣብኡ ድማ ክትናገፊ ኢኺ፣+ኣብኡ የሆዋ ኻብ ኢድ ጸላእትኺ መሊሱ ኺዕድገኪ እዩ።+ 11 ሕጂ ብዙሓት ኣህዛብ ኣንጻርኪ ኺእከቡ እዮም፣‘ትርከስ፡ ጽዮን ከምኡ ኽትከውን ከላ ኸኣ ኣዒንትና ይርኣያ’ኺብሉ እዮም። 12 ግናኸ፡ ሓሳባት የሆዋ ኣይፈልጡን፡ዕላማኡ* ድማ ኣይርድኡን እዮም፣ንሱስ ከምቲ ተር ዝበለ ዕጻድ ናብ ዓውዲ ኺእክቦም እዩ። 13 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ተንስኢ፡ ኣኺዲ፣+ኣነስ ንኣቕርንትኺ ናብ ሓጺን ክልውጦ፡ንሸዀናታትኪ ኸኣ ናብ ነሓሲ ኽልውጦ እየ፣ንስኺ ኸኣ ብዙሓት ህዝብታት ከተድቅቒ ኢኺ።+ ረብሓ ሸፈጦም ንየሆዋ፡ጥሪቶም እውን ነቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ኽትውፍዪ ኢኺ።”+ 6 እቲ የሆዋ ዚብሎ ዘሎ በጃኹም ስምዑ። ተንስእ፡ ጕዳይካ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ኣቕርብ፡ኵርባታት እውን ድምጽኻ ይስማዕ።+ 2 ጕዳይ የሆዋስ ምስ ህዝቡ እዩ፡ኣንጻር እስራኤል ከኣ ኪማጐት እዩ እሞ፡+ኣቱም ኣኽራን፡ ኣቱም ጽኑዕ መሰረታት ምድሪ፡ጕዳይ የሆዋ ስምዑ፦+ 3 “ኣታ ህዝበይ፡ እንታይ እየ ገይረካ፧ ከመይ ገይረኸ እየ ኣድኪመካ፧+ ኣንጻረይ መስክር። 4 ኣነስ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጺአካ፡+ካብ ቤት ባርነት ከኣ ተበጅየካ፣+ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን ድማ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም።+ 5 ኣታ ህዝበይ፡ ግብርታት ጽድቂ የሆዋ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡በጃኻ እቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝኣመሞ፡+እቲ በላዓም ወዲ ቤዖር እውን ዝመለሰሉ፡+እቲ ኻብ ሺጢም+ ክሳብ ጊልጋል+ ዝዀነ ዘክር።” 6 ናብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፧ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣምላኽከ እንታይ ሒዘ ኽሰግድ፧ ናብ ቅድሚኡ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡ምራኹት ሓደ ዓመት ሒዘዶ ኽመጽእ፧+ 7 የሆዋዶ ብኣሽሓት ደዓውልንብኣእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፧+ ስለ በደለይሲ በዅሪ ወደይ፡ስለ ሓጢኣተይከ* ፍረ ኸርሰይዶ ኽህብ እየ፧+ 8 ኣታ ሰብ፡ ንሱ ጽቡቕ ዘበለ ነጊሩካ ኣሎ። የሆዋስ ካባኻ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ፍትሒ ኽትገብር፡*+ ተኣማንነት ክትፈቱ፡*+ምስ ኣምላኽካ+ እውን ብትሕትና ኽትመላለስ+ ጥራይ እዩ! 9 ድምጺ የሆዋ ንኸተማ ይጽውዓ፣እቶም ግብራዊ ጥበብ ዘለዎም ንስምካ ኺፈርሁ እዮም። ነቲ በትርን ነቲ ዘዳለዎን ኣቕልቡሉ።+ 10 ኣብ ቤት እኩይሲ ገናዶ መዛግብቲ እከይንፍንፉን ኤፋን* ኣሎ፧ 11 ብዘይቅኑዕ ሚዛንን ብኸረጺት መታለሊ እምኒ መምዘንንዶብስነ ምግባር ንጹህ ክኸውን እኽእል እየ፧+ 12 ሃብታማታስ ዓመጻ ዝመልኦም እዮም፣ነበርታ ድማ ሓሶት ይዛረቡ፣+ልሳኖም ከኣ ኣብ ኣፎም መታለሊት እያ።+ 13 “ስለዚ፡ ወቒዐ ከቝስለካ፡+ብሰሪ ሓጢኣትካ ኸባድመካ እየ። 14 ክትበልዕ፡ ግናኸ ኣይክትጸግብን ኢኻ፣ውሽጥኻ ባዶ ኪኸውን እዩ።+ ነቲ እትኣልዮ፡ ኣይክትዓቝሮን ኢኻ፣ነቲ እትዓቝሮ ኸኣ፡ ንሰይፊ ኽህቦ እየ። 15 ክትዘርእ፡ ግናኸ ኣይክትዓጽድን ኢኻ። ኣውልዕ ክትረግጽ፡ ግናኸ ዘይቱ ኣይክትጥቀመሉን ኢኻ፣ጕዕሽ ወይኒ ኽትገብር፡ ግናኸ ወይኒ ኣይክትሰትን ኢኻ።+ 16 ንስኻትኩምሲ ሕጊ ዖምሪን ኵሉ ግብሪ ቤት ኣከኣብን ትሕልዉ፡+ከም ምኽሮም ከኣ ትመላለሱ ኢኹም። ስለዚ፡ መሰክሒ ኽገብረካ፡ንነበርታ ድማ መፋጸዪ ኽገብር እየ፣+ንዕቀት ህዝብታት ድማ ክትጾሩ ኢኹም።”+ 5 “ሕጂ፡ ኣቲ እትጥቅዒ ዘለኺ ጓል፡ገዛእ ርእስኺ ትበጥሒ ኣለኺ፣ተኸቢብና ኣለና።+ ብሻቦጥ ንፈራዲ እስራኤል ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ።+ 2 ኣቲ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፡+ኣቲ ኣብ መንጎ ኣሽሓት* ይሁዳ ንምዃን ዝነኣስኪ፡ካባኺ እቲ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝዀነለይ፡+እቲ መበቈሉ ኻብ ጥንቲ፡ ካብ መዓልትታት ቀደም ዝዀነ ኺወጽእ እዩ። 3 ስለዚ፡ ክሳዕ እቲ እታ ወላዲት እትወልደሉ ግዜ፡ንሱ ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ ኸኣ ናብ ህዝቢ እስራኤል ኪምለሱ እዮም። 4 ተንሲኡ ድማ ብብርታዐ የሆዋ፡ብብልጫ ስም የሆዋ ኣምላኹ ኺጓሲ እዩ።+ ሽዑ፡ ዕቤቱ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ኺበጽሕ እዩ እሞ፡+ንሳቶም ብደሓን ኪነብሩ እዮም።+ 5 ንሱ ኸኣ ሰላም ኬምጽእ እዩ።+ እቲ ኣሶራዊ ንምድርና እንተ ወሪሩን ንእተዓርደ ግምብታትና እንተ ረጊጹን፡+ኣንጻሩ ሸውዓተ ጓሶት፡ እወ፡ ሸሞንተ መሳፍንቲ* ሰብ ከነተንስእ ኢና። 6 ንሳቶም ንምድሪ ኣሶር ብሰይፊ፡+ንምድሪ ኒምሮድ+ ድማ ኣብ መእተዊታታ ኺጓስዩ እዮም። እቲ ኣሶራዊ ንምድርና ምስ ወረረን ኣብ ሃገርና ምስ ረገጸን፡ንሱ ኻብኡ ኼናግፈና እዩ።+ 7 እቶም ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት፡ከምቲ ብሰብ ተስፋ ዘይገብር፡ንደቂ ሰብ ድማ ዘይጽበ፡ኣውሊ ኻብ የሆዋ፡ብርቱዕ ካፋ ኣብ ኣትክልቲ ኪዀኑ እዮም። 8 እቶም ተረፍ ያእቆብ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት፡ከምቲ ዚሓልፍን ዚጐብጥን ዚሰላልዕንኣብ መንጎ እንስሳታት ዱር ዘሎ ኣንበሳ፡ኣብ መንጎ መጓሰ ኣባጊዕ ዘሎ ሽደን ኣንበሳ ኪዀኑ እዮም፣ዜናግፍ ከኣ የልቦን። 9 ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ኽትልዓል እያ፣ኵሎም ጸላእትኻ እውን ኪጠፍኡ እዮም።” 10 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡“ኣፍራስካ ኻብ ማእከልካ ኸጽንት፡ ሰረገላታትካ እውን ከጥፍእ እየ። 11 ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፡ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ። 12 ንእትገብሮ* ኣስማት መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ስሒር ዚገብር ከኣ ኣብ መንጎኻ ኣይኪተርፍን እዩ።+ 13 ቅሩጽ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍእ እየ፣ንግብሪ ኣእዳውካ ድማ ደጊም ኣይክትሰግድን ኢኻ።+ 14 ኣዕኑድ ኣምልኾኻ* ኻብ ማእከልካ ኽምሑ፡+ከተማታትካ እውን ከጥፍእ እየ። 15 ኣብ ዘይተኣዘዙ ኣህዛብ፡ብቝጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።” 3 እታ ኸተማ ምፍሳስ ደም ወይለኣ! ኵላ ምትላልን ዘመተን ዝመልአት እያ። ግዳይ ከቶ ዘይሰኣና እያ! 2 ደሃይ ሓለንግን ደርጓዕጓዕ መንኰራዅርንጋልበት ኣፍራስን ምውንጫፍ ሰረገላን ኣሎ። 3 እተወጥሐ ፈረሰኛን ማሕማሕ ዚብል ሰይፍን ዜብለጭልጭ ኲናትንብዙሓት ቅቱላትን ኵምራታት ሬሳን እውን ኣሎ፣እቲ ሬሳታት ከኣ መወዳእታ የብሉን። ብሬሳታት ድማ ይዕንቀፉ ኣለዉ። 4 እዚ ብሰሪ እቲ ብዙሕ ምንዝርና እታ ኣመንዝራ እዩ፣ንሳ ማራኺትን ውቅብትን ኣስማተኛ፡ንኣህዛብ ብምንዝርናኣ፡ ንዓሌታት ከኣ ብኣስማታ እተፈንጥሮም እያ። 5 “እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርኪ* እየ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+“ክዳንኪ ናብ ልዕሊ ገጽኪ ክቐልዖ፡ንኣህዛብ ዕርቃንኪ፡ንመንግስትታት ድማ ውርደትኪ ኸርእዮም እየ። 6 ጽያፍ ናባኺ ኽድርቢ፡ንዕቕቲ ኸኣ ክገብረኪ እየ፣ምርኢት ክገብረኪ እየ።+ 7 ዚርእየኪ ዘበለ ኻባኺ ኺሃድም፡+‘ነነዌ ባዲማ! መን ኪድንግጸላ እዩ፧’ ድማ ኪብል እዩ። ዜጸናንዑኺኸ ኻበይ ክረክብ እየ፧ 8 ንስኺዶ ኻብታ ኣብ ጥቓ መትረባት ኒል+ ተቐሚጣ ዝነበረት ኖ-ኣሞን*+ ትበልጺ ኢኺ፧ ንዓኣ ማያት ከቢብዋ ነይሩ፣ሃብታ ኸኣ ባሕራ፡ መካበብያኣ እውን ባሕራ ነይሩ። 9 ኢትዮጵያ ምንጪ ደረት ኣልቦ ብርታዐኣ ነይራ፣ ግብጺ እውን ከምኡ። ጱጥን+ ሊብያውያንን ሓገዝትኺ ነይሮም።+ 10 ግናኸ፡ ንሳ እውን ተሰዲዳ፣ናብ ምርኮ ኸይዳ።+ ደቃ ድማ ኣብ ኵሉ ዅርናዕ ጐደና* ተሓምሺሾም። ንኽቡራታ ዕጫ ኣውዲቖምሎም፣ኵሎም ዓበይታ ኸኣ ብመቝሕ ተኣሲሮም። 11 ንስኺ እውን ክትሰኽሪ፡+ክትሕብኢ፡ካብ ጸላኢ እትዕቈብሉ ኽትደልዪ ኢኺ። 12 ኵሉ ዕርድታትኪ፡ በዅሪ ፍረ ኸም ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፣እንተ ተነንዩ፡ ናብ ኣፍ በላዕቱ ይረግፍ። 13 እንሆ፡ ተዋጋእትኺ ኣብ ማእከልኪ ኸም ዘለዋ ኣንስቲ እዮም። ኣፍ ደገታት ምድርኺ ንጸላእትኺ ጋህ ኢሉ ኺርሖ እዩ። ሓዊ ንተገዳማት ኣፍ ደገታትኪ ኺበልዖ እዩ። 14 ንኸበባ ማይ ቅድሒ!+ ዕርድታትኪ ኣጽንዒ። ናብ ጸብሪ እተዊ፡ ጭቃ ርገጺ፣መስርሕ ሕጡብ ሓዚ። 15 ኣብኡ እኳ ሓዊ ኺበልዓኪ፡ሰይፊ ኪቘርጸኪ፡+ከምቲ ኹብኩብታ ዚገብሮ ድማ ኪውሕጠኪ እዩ።+ ከም ኩብኩብታ ብዝሒ! እወ፡ ከም ኣንበጣ ብዝሒ! 16 ንነጋዶኺ ኻብ ከዋኽብቲ ሰማያት ኣብዚሕክዮም። ኩብኩብታ ቘርበቱ ቐንጢጡ ነፊሩ ይኸይድ። 17 ሓለውትኺ ኸም ኣንበጣ፡ሰበ ስልጣንኪ ኸም ዕስለ ኣንበጣ እዮም። ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ደምበ ይሰፍሩ፣ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ነፊሮም ይኸዱ፣ኣበይ ከም ዘለዉ ድማ ሓደ እኳ ኣይፈልጥን። 18 ኦ ንጉስ ኣሶር፡ ጓሶትካ ተታኺሶም ኣለዉ። ልዑላንካ ኣብ መንበሪኦም ኣለዉ። ህዝብኻ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ኣለዉ፣ዚእክቦም ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።+ 19 ንመዓትካ እፎይታ የብሉን። ቍስልኻ ዘይሓዊ እዩ። ኵሎም እቶም ወረኻ ዚሰምዑ ብኣእዳዎም ኬጣቕዑ እዮም።+ በቲ ቐጻሊ ጭካነኻ ዘይተሳቐየስ መን እዩ፧”+ 1 ኣንጻር ነነዌ+ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦ መጽሓፍ ራእይ ናሆም* እቲ ኣልቆሻዊ፦ 2 የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደልን+ ሕነ ዚፈድን ኣምላኽ እዩ፣የሆዋ ሕነ ዚፈድን ነድሩ ንምግላጽ ድሉውን እዩ።+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ተጻረርቱ ሕነ ይፈዲ፡ንጸላእቱ ኸኣ ነድሩ ይዓቝረሎም። 3 የሆዋ ንቝጥዓ ደንጓይን+ ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፣+ግናኸ፡ የሆዋስ ግቡእ መቕጻዕቲ ኸቶ ዘይሓድግ እዩ።+ መገዱ ኸኣ ዜጥፍእ ንፋስን ህቦብላን እዩ፣ደበናታት ድማ ደሮና ኣእጋሩ እዩ።+ 4 ንሱ ንባሕሪ ይገንሖ፡+ የንቅጾ እውን፣ንዅሉ ኣፍላግ ከኣ የንጽፎ።+ ባሳንን ቀርሜሎስን ይጽምሉ፣+ዕምባባታት ሊባኖስ እውን ይጽምሉ። 5 ኣኽራን ብሰንኩ የንቀጥቅጡ፣ኵርባታት ድማ ይመክኩ።+ ኣብ ምድሪ ብሰንኪ ገጹ ህውከት ይኸውን፣ኣብ ዓለምን ኣብ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዚነብሩን እውን ከምኡ።+ 6 ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ መን ደው ኪብል ይኽእል፧+ ንረስኒ ዅራኡኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+ ነድሩ ኸም ሓዊ ኺክዖ እዩ፣ኣኻውሕ ድማ ብሰንኩ ኺሰባበሩ እዮም። 7 የሆዋ ሕያዋይ* እዩ፣+ ብመዓልቲ ጭንቂ ዕርዲ እዩ።+ ነቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ይሓስበሎም* እዩ።+ 8 ንቦታኣ* ብዚድምስስ ውሒዝ ጠሪሱ ኼጽንቶ እዩ፣ጸልማት ከኣ ንጸላእቱ ኺስዕቦም እዩ። 9 ኣንጻር የሆዋስ እንታይ ውዲት ክትኣልሙ ኢኹም፧ ንሱስ ጠሪሱ የጽንት ኣሎ። ጭንቂ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪልዓልን እዩ።+ 10 ንሳቶምሲ ኸም እሾዅ እተጠናነጉ፡ከምቶም ብስዋ* ዝሰኸሩ እዮም፣ከም ንቑጽ ሓሰር ግና ሞዅ ኪብሉ እዮም። 11 ንየሆዋ ውዲት ዚኣልመሉ፡ዘይጠቅም ምኽሪ ኸኣ ዚመኽረሉ ኻባኻ ኺወጽእ እዩ። 12 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሓይሊ ዝመልኦምን ብዙሓትን እኳ እንተ ነበሩ፡ኪቝረጹን ኪሓልፉን* እዮም። ኣነስ ገፊዐካ* እየ፣ ደጊም ግና ኣይክገፍዓካን እየ። 13 ሕጂ ድማ ኣርዑቱ ኻባኻ ኽሰብር፡+መእሰሪታትካ ኸኣ ክበትኽ እየ። 14 የሆዋ ብዛዕባኻ* ኣዚዙ ኣሎ፦ ‘ስምካ ደጊም ኣይኪቕጽልን እዩ። ጽሩብ ምስልታትን ፍሱስ ምስልታትን ካብ ቤት* ኣማልኽትኻ ኸጥፍእ እየ። ንዑቕ ኢኻ እሞ፡ መቓብር ክገብረልካ እየ።’ 15 እንሆ፡ ኣእጋር እቲ ብስራት ዜበስር፡ሰላም ከኣ ዚእውጅ ኣብ ኣኽራን ኣሎ።+ ደጊምሲ እቲ ዘይጠቅም ብኣኻ ኣይኪሓልፍን እዩ እሞ፡ኣታ ይሁዳ፡ በዓላትካ ኣብዕል፡+ መብጽዓታትካ ፈጽም። ንሱስ ጠሪሱ ኺጠፍእ እዩ።” 2 ፋሕ ዜብል ኣንጻርኪ* ኺመጽእ እዩ።+ ነቲ ዕርድታት ሓልውዮ። ነቲ መገዲ ተቛመትዮ። ተዓጠቒ፡* ኵሉ ብርታዐኺ ኣክቢ። 2 እቶም መጥፋእቲ ኣጥፊኦምዎም፡+ንጨናፍሮም ከኣ ኣብሪሶምዎ እዮም እሞ፡የሆዋስ ንትምክሕቲ ያእቆብ፡ምስ ትምክሕቲ እስራኤል ኪመልሶ እዩ፣ 3 ዋላቱ ጀጋኑኡ ብቐይሕ እተኣጀለ እዩ፣ተዋጋእቱ ድማ ድሙቕ ቀይሕ እተኸድኑ እዮም። በታ ንውግእ ዚዳለወላ መዓልቲ፡ሓጻውን ሰረገላታቱ ኸም ሓዊ ማሕማሕ ይብል፣ኲናውቲ ጽሕዲ* ኸኣ ይንብጥበጥ። 4 እተን ሰረገላታት በቲ ጐደናታት ከም ዕቡድ ይቀዳደማ። ኣብ ኣደባባያት ናብዝን ናብትን ይወናጨፋ። ከም ዚነድድ ፋናታት ይበርሃ፡ ከም በርቂ እውን ማሕማሕ ይብላ። 5 ንሰበ ስልጣኑ ኺጽውዖም እዩ። ንሳቶም ኪቐርቡ ኸለዉ ኺዕንቀፉ እዮም። ናብ መካበብያኣ ኺህንደዱ፡መከላኸሊ ኸኣ ኪገብሩ እዮም። 6 ኣፍ ደገታት ኣፍላግ ኪኽፈት፡ቤተ መንግስቲ እውን ኪመክኽ* እዩ። 7 ተወሲኑ እዩ፦ ንሳ ተቓሊዓ እያ፣ተወሲዳ እያ፣ ኣግራዳ ድማ ኪቝዝማ እየን፣ደረተን* ኪወቕዓ ኸለዋ፡ ደሃየን ከም ናይ ረገቢት ይመስል። 8 ነነዌ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዛ፡+ ማያት ከም ዝመልአ ሓጽቢ እያ ነይራ፣ሕጂ ግና ንሳቶም ይሃድሙ ኣለዉ። “ደው በሉ! ደው በሉ!” ገጹ ዚመልስ ግና የልቦን።+ 9 ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ! እቲ መዛግብቲ መወዳእታ የብሉን። ኵሉ ዓይነት ክቡር ነገራት ዝመልአ እዩ። 10 እታ ኸተማ ባዶ ዀይና፡ ባዲማ፡ ጠፊኣ!+ ልቦም ብፍርሂ መኺኹ፡ ኣብራኾም ተቘሊፉ፡ ሕቘኦም ራዕራዕ ኢሉ፣ኵሉ ገጾም በርበረ መሲሉ። 11 እቲ ሽደናት ኣናብስ ዚበልዑሉ፡ዜፍርሆም ዘይብሎም ከኣኣንበሳ ንዀራዅሩ መሪሑ ዝወጸሉ ሰፈር ኣናብስ ኣበይ ኣሎ፧+ 12 ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዚኣኽሎም ግዳይ ይሰላልዓሎም፡ንዋዕሮታቱ ድማ ይሓንቀለን። ንመሕብኢኡ ብግዳይ፡ንሰፈሩ ኸኣ ብእተሰላልዑ እንስሳታት ይመልኦ። 13 “እንሆ፡ ኣንጻርኪ እየ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+“ንሰረገላታታ ኣንዲደ ትኪ ኽገብሮ እየ፣+ንሽደናት ኣናብስኪ ድማ ሰይፊ ኺውሕጦም እዩ። ንግዳይኪ ኻብ ምድሪ ኽምንቍሶ እየ፣ደሃይ ልኡኻትኪ ኸኣ ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።”+ 3 ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብቝዝማ፦ 2 ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባኻ ሰሚዐ። ኦ የሆዋ፡ ብተግባርካ ኣስተንኪረ። ኣብ ማእከል ዓመታት፡* ነዚ ህያው ግበሮ! ኣብ ማእከል ዓመታት፡* ኣፍልጦ። ብግዜ ህውከት፡ ምሕረት ምግባር ዘክር።+ 3 ኣምላኽ ካብ ቴማን፡እቲ ቕዱስ ካብ ከረን ጳራን መጺኡ።+ (ሴላ)* ግርማኡ ንሰማያት ከዲንዎ፣+ብውዳሰኡ ምድሪ መሊኣ። 4 ድምቀቱ ኸም ብርሃን ነይሩ።+ ካብቲ ብርታዐኡ እተሓብኣሉ ኢዱ፡ክልተ ጩራ ወጺኡ። 5 ቀቅድሚኡ ለበዳ ኸይዱ፣+ረስኒ ኸኣ እግረ እግሩ ስዒብዎ። 6 ደው ኢሉስ፡ ንምድሪ ኣናዊጽዋ።+ ጠሚቱ ንኣህዛብ ብራዕዲ ኣዝሊልዎም።+ እቲ ዘለኣለማዊ ኣኽራን ተሰባቢሩ፣እቲ ናይ ጥንቲ ዅርባታት ከኣ ሰጊዱ።+ መገድታት ጥንቲ ናቱ እዩ። 7 ኣብ ድንኳናት ኩሽ ሽግር ርእየ። ዓለባታት ድንኳን ምድሪ ሚድያን ራዕራዕ ኢሉ።+ 8 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ፡ቍጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ ድዩ ዚነድድ ዘሎ፧ ወይስ ነድርኻ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ድዩ፧+ ንስኻስ ኣብ ኣፍራስካ ተወጢሕካ፣+ሰረገላታትካ ድማ ዕዉት* ነይሩ።+ 9 ቀስትኻ ተቐሊዓን ተዳልያን ኣላ። ኣባትር* ከኣ ብማሕላ ተመዲቡ ኣሎ።* (ሴላ) ንምድሪ ብኣፍላግ ትስንጥቓ። 10 ኣኽራን ምስ ረኣዩኻ፡ ብቓንዛ ተፋሒሶም።+ ዝናም ማያት ሓሊፉ። መዓሙቝ ድምጹ ኣስሚዑ።+ ኣእዳዉ ናብ ላዕሊ ኣልዒሉ። 11 ጸሓይን ወርሕን ኣብ ልዑል ስፍራአን ቈይመን።+ ፍላጻታትካ ኸም ብርሃን ወጺኡ።+ በርቂ ዂናትካ ድሙቕ ነይሩ። 12 ብቝጥዓ ብመንጎ ምድሪ ኼድካ። ንኣህዛብ ብዅራ ረጊጽካዮም።* 13 ንድሕነት ህዝብኻ፡ ንቕቡእካ ንምድሓን ወጺእካ። ንመራሒ* ቤት እከይ ጨፍሊቕካ። ንሳ ኻብ መሰረት ክሳብ ላዕሊ* ተቐሊዓ። (ሴላ) 14 ፋሕ ኬብሉኒ ኸም ህቦብላ ምስ ተሃንደዱ፡ርእሲ ተዋጋእቱ ብኣጽዋሩ* ወጊእካ። ንውጹዕ ብሕቡእ ምውሓጥ የሐጕሶም ነይሩ። 15 ብኣፍራስካ ንባሕሪ፡ንቡሕቡሕታ ሰፊሕ ማያት ረጊጽካዮ ሓሊፍካ። 16 ሰሚዐስ ብውሽጠይ ራዕራዕ ኢለ፣*ከናፍረይ በቲ ደሃይ ኣንቀጥቂጡ፣ቍንቍነ ናብ ኣዕጽምተይ ኣትዩ፣+ኣእጋረይ ኣብ ትሕተይ ተናዊጹ። ኣነ ግና ንመዓልቲ ጭንቂ ስቕ ኢለ እየ ዝጽበ፣+ንሳስ ኣብቶም ዜጥቅዑና ህዝቢ ትመጽእ ኣላ። 17 ኦም በለስ እኳ እንተ ዘይዓምበበ፡ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ፍረ እንተ ዘይሃለወ፡ፍረ ኣውልዕ እኳ እንተ ጠለመ፡ግራውቲ* እውን ምግቢ እንተ ዘየፍረየ፡መጓሰ እኳ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፡ኣብ ቀጽሪ እውን ከብቲ እንተ ዘይሃለዋ፡ 18 ኣነ ግና ብየሆዋ ኽፍሳህ፡ብኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክሕጐስ እየ።+ 19 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ሓይለይ እዩ፣+ንሱ ንኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ኣብ በረኽቲ እውን የርግጸኒ።+ 1 ነብዪ ኣንባቆም* ብራእይ እተቐበሎ ኸቢድ መልእኽቲ፦ 2 ኦ የሆዋ፡ ከይሰማዕካንስ ክሳዕ መዓስ ከእዊ እየ፧+ ጣልቃ ኸይኣተኻኸ* ብሰንኪ ዓመጻ ኽሳዕ መዓስ ክምህለል እየ፧+ 3 ስለምንታይ ኢኻ ኽፉእ ተግባር እተርእየኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧ ስለምንታይ እዩ ጥፍኣትን ዓመጻን ኣብ ቅድመይ ዘሎ፧ ስለምንታይከ እዩ ባእስን ግጭትን በዚሑ ዘሎ፧ 4 ስለዚ፡ ሕጊ ለሚሱ፡ፍትሒ እውን ከቶ ኣይወጽእን ኣሎ። እኩይሲ ንጻድቕ ይኸብቦ ኣሎ፣ስለዚ፡ ፍትሒ ቐኒኑ ኣሎ።+ 5 “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ርኣዩ እሞ ኣቕልቡ! ተገሪምኩም ጠምቱን ኣስተንክሩን፣ብመዓልትታትኩምሲ እንተ ተነግረኩም እኳዘይትኣምንዎ ነገር ኪኸውን እዩ።+ 6 ኣብዝስ ንከለዳውያን፡ንጨካናትን ንርቡጻትን ህዝቢ አተንስኦም ኣለኹ።+ ዘይናቶም ኣባይቲ ኺምንዝዑ፡ኣብ ሰፊሕ ክፋል ምድሪ የስፋሕፍሑ።+ 7 ዜፍርሁን ዜርዕዱን እዮም። ናይ ርእሶም ፍትሕን ስልጣንን* የቝሙ።+ 8 ኣፍራሶም ካብ ኣናብር ይቕልጥፉ፣ካብ ተዃሉ ለይቲ ይሓስሙ።+ ናይ ውግእ ኣፍራሶም ንቕድሚት ይጋልቡ፣ኣፍራሶም ካብ ርሑቕ ይመጹ። ከምቲ ኺበልዕ ዚህንደድ ንስሪ ይንቈቱ።+ 9 ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ።+ ምእካብ ገጾም ከም ንፋስ ምብራቕ እዩ፣+ከም ሑጻ ድማ ምሩኻት ይሓፍሱ። 10 ንነገስታት የላግጹሎም፣ንሰበ ስልጣን ከኣ ይስሕቅዎም።+ ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፣+መደያይቦ ዚዀኖም ሓመድ ኰሚሮም ይሕዝዎ። 11 ሽዑ፡ ከም ንፋስ ይግስግሱን ይሓልፉን፣ግናኸ፡ ሓይሎም ካብ ኣምላኾም ከም ዝረኸቡ ስለ ዚብሉ፡*+በደልቲ ኪዀኑ እዮም።”+ 12 ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ደይኰንካን፧+ ኦ ኣምላኸይ፡ ቅዱሰይ፡ ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ።*+ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ፍርዲ ኺፍጽሙ ሸይምካዮም፣ኣታ ኸውሐይ፡+ ንስኻ ንመቕጻዕቲ* ሰሪትካዮም።+ 13 ኣዒንትኻ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ፡ ክፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን፣ንእከይ ድማ ክትጻወሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።+ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ንጠለምቲ እትጻወሮም፡+እኩይ ካብኡ ንዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ኸኣ ስቕ እትብል፧+ 14 ስለምንታይከ ኢኻ ንሰብ ከም ዓሳ ባሕሪ፡ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምቲ እትገብሮ፧ 15 ንሱ* ንዅላቶም ብመቝለብ ዓሳ የውጽኦም ኣሎ። ኣብ መርበቡ ይሕዞም፡ኣብ መግፈፊኡ ድማ ይእክቦም ኣሎ። ስለዚ፡ ብዙሕ ይሕጐስ ኣሎ።+ 16 ስለዚ፡ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡ንመግፈፊኡ ድማ ይስውኣሉ* ኣሎ፣ብሳላኦምሲ ግዲኡ መዓዛታት ዘለዎ፡*ምግቡ እውን ሕሩይ ኰይኑሉ እዩ። 17 እሞ ደኣ ገናዶ ኻብ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ፧* ብቐጻሊዶ ኸይራሕርሐ ንኣህዛብ ኪሓርድ እዩ፧+ 2 ኣብ መሐለውየይ ደው ክብል እየ፣+ኣብ ዕርዲ ክቐውም እየ። ብኣይ ኣቢሉ እንታይ ከም ዚዛረብ፡ምስ ተገናሕኩ ኸኣ እንታይ ከም ዝምልስ ክርእስ ክቋመት እየ። 2 ሽዑ፡ የሆዋ መለሰለይ፦ “እቲ ኻብኡ ዓው ኢሉ ዜንብብ ብቐሊሉ ምእንቲ ኼንብቦ፡+ነቲ ራእይ ጽሓፎ፡ ኣብ ጽላታት ድማ ብንጹር ቅረጾ።+ 3 እቲ ራእይሲ ገና ንምዱብ ግዜ እዩ፣ናብ መወዳእታኡ* ይቕልጥፍ ኣሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፡እንተ ደንጐየ እኳ፡* ተጸበዮ!*+ 4 ንምኩሕ ጠምቶ፣*ውሽጡ ቕኑዕ ኣይኰነን። ጻድቕ ግና ብተኣማንነቱ* ይነብር።+ 5 እወ፡ ወይኒ መጋገዪ ስለ ዝዀነ፡ዕቡይ ናብ ሸቶኡ ኣይኪበጽሕን እዩ። ሸውሃቱ* ኸም መቓብር* የግፍሕ፣ከም ሞት እዩ፡ ኪጸግብ እውን ኣይክእልን እዩ። ንዅሎም ኣህዛብ ይእክቦም፡ንዅሎም ህዝብታት ድማ ይኣኻኽቦም።+ 6 ኵሎም እዚኣቶም ኣንጻሩ ምስላን ዚእምት ቃልን ሕንቅሕንቅሊተያትን ደይኰኑን ኪዛረቡ፧+ ከምዚ ኺብሉ እዮም፦ ‘እቲ ዘይናቱ ዚእክብ፡ዕዳኡ ኸኣ ዜብዝሕ፡ ወይለኡ! ክሳዕ መዓስ እዩ፧ 7 ኣለቃሕትኻ ብሃንደበትዶ ኣይኪትንስኡን እዮም፧ ኪነቕሑን ኪንዝንዙኻን እዮም፣ዘመተኦም እውን ክትከውን ኢኻ።+ 8 ንብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ፡ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፡ንምድርን ንኸተማታትንኣባታተን ንዚነብሩን ስለ ዝዓመጽካ፡+ኵሎም ዝተረፉ ህዝብታት ኪዘምቱኻ እዮም።+ 9 እቲ ሰፈሩ ኣብ ላዕሊ ኺገብር፡ብመዓት ከይትሓዝ ድማ ኬምልጥ ኢሉንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዜርብሕ፡ ወይለኡ! 10 ንቤትካ ሕፍረት ሓሲብካላ። ንብዙሓት ህዝብታት ብምድምሳስ፡ ንርእስኻ* በዲልካያ።+ 11 እምንስ ካብ መንደቕ ኬእዊ፡ሰርወ ኸኣ ካብ ስርሓት ዕንጨይቲ ኺምልሰሉ እዩ። 12 እቲ ብምፍሳስ ደም ከተማ ዚሰርሕ፡ብዓመጻ ድማ ዓዲ ዚስርት፡ ወይለኡ! 13 እንሆ፡ ህዝብታት ኣደዳ ሓዊ ንዚኸውን ዚጽዕሩ፡ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ደይኰነን፧+ 14 ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦስ፡ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ የሆዋ ኽትመልእ እያ።+ 15 እቲ ዕርቃኖም ምእንቲ ኺርእስ፡ኬስክሮም ኢሉ፡ ነድርን ቍጥዓን ሓዊሱንብጾቱ ዜስትዮም፡ ወይለኡ! 16 ኣብ ክንዲ ኽብርስ ውርደት ክትጸግብ ኢኻ። ንስኻ እውን ስተ እሞ ዘይግዙር ምዃንካ ተቐላዕ።* እታ ኣብ የማነይቲ ኢድ የሆዋ ዘላ ጽዋእ ናባኻ ኽትዘውር፡+ሕስረት ከኣ ንኽብርኻ ኼጐልብቦ እዩ፣ 17 ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፡ንምድርን ንኸተማታትንኣባታተን ንዚነብሩን ስለ ዝዓመጽካስ፡እቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እተገብረ ዓመጻ ኼጐልብበካ፡እቲ ንእንስሳታት ዘርዓደ ጥፍኣት እውን ኪመጸካ እዩ።+ 18 እቲ ገባሪኡ ዚጸርቦጽሩብ ምስልስ እንታይ ይጠቅም፧ እቲ ዓባሳት ዝዀኑ ኸንቱ ኣማልኽቲ ዚገብር ገባሪኡብእኡ እኳ እንተ ተኣመነ፡*ፍሱስ ምስልን መምህር ሓሶትንሲ እንታይ ይጠቅም፧+ 19 እቲ ንዕንጨይቲ፡ “ንቓሕ!” ንዓባስ እምኒ ድማ፡ “ተበራበር! ምሃረና!” ዚብል ወይለኡ! እንሆ፡ ንሱ ብወርቅን ብብሩርን ይልበጥ፣+ኣብ ውሽጡ ኸኣ ትንፋስ ዚብሃል ጠሪሱ የብሉን።+ 20 የሆዋ ግና ኣብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ እዩ።+ ኵላ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል!’”+ 3 እታ ዓላዊትን ብክልትን ጨቋኒትን ከተማ ወይለኣ!+ 2 ድምጺ ኣይተኣዘዘትን፣+ ተግሳጽ ኣይተቐበለትን።+ ብየሆዋ ኣይተኣመነትን፣*+ ናብ ኣምላኻ ኣይቀረበትን።+ 3 መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ ዚጓዝሙ ኣናብስ እዮም።+ ፈራዶኣ ብለይቲ ተዃሉ እዮም፣ክሳዕ ንግሆ ኸኣ ዚቝርጠም ዓጽሚ እኳ ኣይሓድጉን። 4 ነብያታ ስድታትን ጠላማትን ሰባት እዮም።+ ካህናታ ንቕዱስ የርክሱ፣+ነቲ ሕጊ ይዕምጽዎ።+ 5 የሆዋ ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፣+ ንሱ ኣይብድልን እዩ። ንግሆ ንግሆ፡ ከምቲ ዘይተርፍ ብርሃን፡ፍርድታቱ የፍልጥ።+ ዓማጺ ግና ሕፍረት ኣይፈልጥን።+ 6 “ኣነ ንኣህዛብ ኣጥፊአ፣ ግምብታት መኣዝኖም ባዲሙ ተሪፉ። ሓደ እኳ ኸይሓልፍሲ፡ ጐደናታቶም ኣባዲመ። ከተማታቶም ሰብ ዘይብለንን ነባሪ ዘይብለንን ዑናታት ኰይነን።+ 7 መንበሪኣ ምእንቲ ኸይጠፍእሲ፡+‘ብርግጽ ክትፈርህኒ፡ ተግሳጽ* እውን ክትቅበሊ ኢኺ’ ኢለ፣+—በዚ ዅሉስ ተሓታቲት ክገብራ* እየ። ንሳቶም ግና ብዝያዳ ኺበላሸዉ ደልዮም።+ 8 ‘ስለዚ፡ ንኣህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስትታት ክኣኻኽቦም፡ቍጥዓይን ኵሉ ዚነድድ ኵራይን ክኽዕወሎም+ ፍርደይ እዩ እሞ፡ክሳዕ እታ ኽዘምት* ዝትንስኣላ መዓልቲተጸበዩኒ’* ይብል የሆዋ፣+‘ብሓዊ ቕንኣተይሲ ብዘላ ምድሪ ኽትብላዕ እያ።+ 9 ሽዑስ፡ ኵላቶም ስም የሆዋ ምእንቲ ኺጽውዑ፡ብሓድነት* ድማ ምእንቲ ኼገልግልዎሲ፡+ንቛንቋ ህዝብታት ናብ ጽሩይ ቋንቋ ኽልውጦ እየ።’ 10 ካብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ፡እቶም ዚልምኑኒ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም።+ 11 ሽዑ፡ ነቶም ዕቡያትን ምኩሓትን ካብ መንጎኺ ኸርሕቖም እየ፡ኣብ ቅዱስ ከረነይ ከኣ ደጊም ከቶ ዕብይቲ ኣይክትኰንን ኢኺ እሞ፡+በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በቲ ኻባይ ዝዓሎኽዮ ዅሉ ግብርታትኪኣይክትሓፍርን ኢኺ።+ 12 ኣብ ማእከልኪ ኺነብርሲ ትሑትን ምቕሉልን ህዝቢ ኽሓድግ እየ፣+ንሳቶም እውን ኣብ ስም የሆዋ ኺምዕቈቡ እዮም። 13 እቶም ተረፍ እስራኤል+ ኣይኪዕምጹን እዮም፣+ኣይኪሕስዉን እዮም፡ ኣብ ኣፎም እውን መታለሊት ልሳን ኣይክትርከብን እያ፣ኪበልዑን በጥ ኪብሉን እዮም፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”+ 14 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ እልል በሊ! ኣታ እስራኤል፡ ብዓወት ጨድር!+ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ ብዅሉ ልብኺ ተሓጐሲ፡ ባህ እውን ይበልኪ!+ 15 የሆዋ ንፍርድታትኪ ኣርሒቕዎ እዩ።+ ንጸላኢኺ መሊስዎ እዩ።+ እቲ ንጉስ እስራኤል፡ የሆዋ፡ ኣብ ማእከልኪ እዩ።+ ደጊም መዓት ኣይክትፈርህን ኢኺ።+ 16 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየሩሳሌም ከምዚ ኺብሃላ እዩ፦ “ኣቲ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ።+ ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ። 17 የሆዋ ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ እዩ።+ ከም ጅግና፡ ኬድሕነኪ እዩ። ብኣኺ ብዓብዪ ሓጐስ ኪፍሳህ እዩ።+ ብፍቕሩ ስቕ ኪብል* እዩ። ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ። 18 ነቶም ኣብ በዓላትኪ ስለ ዘይነበሩ ዚጕህዩ ኽእክቦም እየ፣+ጸርፋ ስለ ዝጾሩ እዮም ምሳኺ ዘይነበሩ።+ 19 እንሆ፡ በቲ ግዜ እቲ ኣንጻር ኵሎም እቶም ዚጭቍኑኺ ስጕምቲ ኽወስድ እየ፣+ነታ እትሕንክስ ከድሕና፡+ነታ እተበተነት እውን ክእክባ እየ።+ ኣብ ኵሉ ምድሪ ሕፍረቶም፡ንውዳሰን ንስምን ክገብሮም እየ። 20 ንምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም፡+ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምን ንውዳሰን ክገብረኩም እየ እሞ፡+በቲ ግዜ እቲ፡ ከምጽኣኩም፡በቲ ግዜ እቲ፡ ክእክበኩም እየ” ይብል የሆዋ። 1 እቲ ብዘመን ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን+ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ጸፎንያስ* ወዲ ኩሺ ወዲ ገዳልያ ወዲ ኣማርያ ወዲ ህዝቅያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ፦ 2 “ንዅሉ ኻብ ገጽ ምድሪ ጠሪሰ ክዅስትሮ እየ” ይብል የሆዋ።+ 3 “ንሰብን ንእንስሳን ክዅስትሮም እየ። ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንዓሳ ባሕርን፡+ንመዐንቀፊታት*+ ድማ ምስቶም እኩያት ክዅስትሮም እየ፣ንሰብ ከኣ ካብ ገጽ ምድሪ ኸወግዶ እየ” ይብል የሆዋ። 4 “ኢደይ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ፡ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነበርቲ የሩሳሌም ክዝርግሕ፡ኵሉ ኣሰር በዓል፡+ ስም ካህናት ጓኖት ኣማልኽቲ ምስቶም ካህናት፡ካብዛ ቦታ እዚኣ ኽድምስስ እየ፣+ 5 ነቶም ኣብ ናሕስታት ንሰራዊት ሰማያት ዚሰግዱ፡+ነቶም ንማልካም ተኣማንነቶም እናመሓሉ+ንየሆዋ ዚሰግዱን ተኣማንነቶም ዚምሕሉን፡+ 6 ነቶም ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ዚምለሱ፡+ነቶም ንየሆዋ ዘይደልይዎን ዘይሓትትዎን ክድምስሶም እየ።”+ 7 መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ እሞ፡+ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስቕ በሉ። የሆዋ መስዋእቲ ኣዳልዩ ኣሎ፣ ነቶም ዝዓደሞም ቀዲስዎም ኣሎ። 8 “በታ መዓልቲ መስዋእቲ የሆዋ፡ ንመሳፍንትንንደቂ ንጉስን+ ንዅሎም እቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ። 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መድረኽ* ዚድይቡ፡ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመጻን ብምትላልን ዚመልኡ፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ። 10 በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡“ካብ ኣፍ ደገ ዓሳ ደሃይ ኣውያት፡+ካብ ካልኣይ ክፋል እታ ኸተማ ድማ ዋይዋይታ፡+ካብቲ ዅርባታት ከኣ ዓብዪ ምስብባር ኪስማዕ እዩ። 11 ኵሎም ነጋዶ ጸኒቶም፡ኵሎም እቶም ብሩር ዚመዝኑ ኸኣ ጠፊኦም* እዮም እሞ፡ኣቱም ነበርቲ መኽቴሽ፡* ዋይዋይ በሉ። 12 ሽዑ፡ ኣነ ንየሩሳሌም ተጠንቂቐ ብመብራህቲ ኽጕርጕራ እየ፣ነቶም ብልቦም፡ ‘የሆዋ ጽቡቕ ኣይገብር፡ ክፉእ እውን ኣይገብር’ዚብሉ ሸለልተኛታት* ድማ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።+ 13 ሃብቶም ኪዝመት፡ ኣባይቶም ከኣ ኪባድም እዩ።+ ኣባይቲ ኺሃንጹ፡ ግናኸ ኣይኪነብሩለንን እዮም፣ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ኪተኽሉ፡ ግናኸ ፍሪኡ ኣይኪበልዑን እዮም።+ 14 እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ እያ!+ ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ቐልጢፋ ድማ ትቐርብ ኣላ!+ ደሃይ መዓልቲ የሆዋ መሪር እዩ።+ ኣብኣ ጅግና የእዊ።+ 15 እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ነድሪ፡+መዓልቲ ጭንቅን ጓህን፡+መዓልቲ ህቦብላን ብድመትን፡+መዓልቲ ጸልማትን ድነን፡መዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን እያ፣+ 16 ነተን እተዓርዳ ኸተማታትን በረኽቲ ግምብታት መኣዝንን ከኣ፡+መዓልቲ መለኸትን ጭድርታ ውግእን እያ።+ 17 ሰባት ንየሆዋ ስለ ዝበደሉ፡+ጭንቂ ኸምጽኣሎም፡ከም ዕዉራት ከኣ ኪመላለሱ እዮም።+ ደሞም ከም ሓመድ፡ስጋኦም* ድማ ከም ፋንድያ ኺድፋእ እዩ።+ 18 በታ መዓልቲ ነድሪ የሆዋ፡ ብሩሮም ኰነ ወርቆም ኣይኬድሕኖምን እዩ፣+ንሱ ንዅሎም ነበርቲ ምድሪ ብዜስካሕክሕ መገዲ ስለ ዜጽንቶምሲ፡+ብሓዊ ቕንኣቱ ብዘላ ምድሪ ኽትብላዕ እያ።”+ 2 ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፡+ተኣከቡ፡ እወ፡ ተኣከቡ።+ 2 እቲ ትእዛዝ ከይተፈጸመ፡እታ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ ከይሓለፈት፡እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኸይወረደኩም፡+እታ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ኸይወረደትኩም፡ 3 ኣቱም ነቲ ቕኑዕ ትእዛዛቱ* እትሕልዉዓቃላት* ምድሪ ዅላትኩም፡ ንየሆዋ ድለይዎ።+ ጽድቂ ድለዩ፡ ዓቕሊ* ድለዩ። ምናልባት ብመዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ትሕብኡ ትዀኑ።+ 4 ከመይሲ፡ ጋዛ እተሓድገት ከተማ ኽትከውን፡ኣሽቀሎን ከኣ ክትባድም፡+ኣሽዶድ ድማ ቀትሪ ምድሪ ኽትስጐጕ፡ዔቅሮን እውን ክትምሖ እያ።+ 5 “እቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚነብሩ ህዝቢ ክረታውያን ወይለኦም!+ ቃል የሆዋ ኣንጻርኩም እዩ። ኣቲ ከነኣን፡ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፡ ከጥፍኣኪ እየ፣ስለዚ፡ ሓደ ነባሪ እኳ ኣይኪተርፈክን እዩ። 6 እቲ ገምገም ባሕሪ ኸኣ፡ዒላታት ጓሶትን ደምበ ኣባጊዕን ዘለዎ መጓሰዪ ኪኸውን እዩ። 7 ንተረፍ ቤት ይሁዳ ድማ ኪኸውን እዩ፣+ኣብኡ እውን ኪበልዑ እዮም። ምሸት ኣብ ኣባይቲ ኣሽቀሎን በጥ ኪብሉ እዮም። የሆዋ ኣምላኾምሲ ቘላሕታኡ ኺገብረሎም፡*ንምሩኻቶም ከኣ ኪእክቦም እዩ።”+ 8 “እቲ ንህዝበይ ዘባጨውዎን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም እተመክሕዎን+ጸርፊ ሞኣብን+ ጸርፊ ዓሞናውያንን+ ሰሚዐ ኣለኹ። 9 ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡“ሞኣብ ከም ሶዶም ክትከውን እያ፣+ዓሞናውያን ድማ ከም ጎሞራ ኪዀኑ እዮም፣+ቦታ ኣምዐን ጕድጓድ ጨውን ናይ ሓዋሩ ባድምን ክትከውን እያ።+ ካብ ህዝበይ እቶም ዝተረፉ፡ ኪዘምትዎም እዮም፣ተረፍ ህዝበይ እውን ኬልቅቖም እዩ። 10 ንህዝቢ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስለ ዘባጨዉሉን ስለ እተዓበዩሉን፡ኣብ ክንዲ ትምክሕቶም ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+ 11 የሆዋ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ኼጥፍኦም* እዩ እሞ፡ንዓታቶም ዜፍርህ ኪኸውን እዩ፣ኵሎም ደሴታት ኣህዛብ ድማ፡ነፍሲ ወከፍ ከካብ ቦታኦም ኪሰግዱሉ* እዮም።+ 12 ኣቱም ኢትዮጵያውያን እውን ብሰይፈይ ክትቅተሉ ኢኹም።+ 13 ኢዱ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ኺዝርግሕ፡ ንኣሶር እውን ኬጥፍኣ እዩ፣ንነነዌ ድማ ኬባድማ፡+ ከም ምድረ በዳ እውን ደረቕ ኪገብራ እዩ። 14 ኣብ ውሽጣ መጓሰታት፡ ኵለን ዓይነት እንስሳ ዘገዳም፡* በጥ ኪብላ እየን። ሓሓትን ቅንፍዝን ኣብ መንጎ ኣራእስ ኣዕኑዳ ኺሓድራ እየን። ኣብ መስኰት ድምጺ ኺዝምር እዩ። ነቲ እተረብበ ቄድሮስ ኪቐልዖ እዩ እሞ፡ኣብ ድርኵዂት ምብዳም ኪኸውን እዩ። 15 እዚኣ እታ ብደሓን እትቕመጥ ዝነበረት፡ብልባ፡ ‘ኣነ እየ፡ ብዘይካይ ሓደ እኳ የልቦን’ እትብል ዝነበረት ምክሕቲ ኸተማ እያ። ከመይ ኰን እያ መሰክሒ፡መደቀሲ እንስሳ ዘገዳም ዝዀነት! ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ኺፋጽን ኢዱ ኺንቕንቕን እዩ።”+ 1 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ኣብ ሻድሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ብነብዪ ሃጌ*+ ኣቢሉ ናብ ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤል እቲ ሹም ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ እቲ ሊቀ ኻህናትን መጸ፦ 2 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘እዚ ህዝቢ እዚ፡ “ቤት* የሆዋ እትህነጸሉ* ግዜ ገና ኣይመጸን” ይብል ኣሎ።’”+ 3 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ብነብዪ ሃጌ+ ኣቢሉ ኸም ብሓድሽ መጸ፦ 4 “እዛ ቤት እዚኣ ዓንያ ኸላስ፡ ኣብ እተረብበ ኣባይትኹም እትቕመጡሉ ግዜ ድዩ፧+ 5 ሕጂ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ልብኹም ናብ መገድታትኩም ኣቕንዑ።* 6 ብዙሕ ዘርኢ ዘሪእኩም፡ ግናኸ ሒደት ኣእቲኹም።+ በሊዕኩም፡ ግናኸ ኣይጸገብኩምን። ሰቲኹም፡ ግናኸ ኣይረወኹምን። ተኸዲንኩም፡ ግናኸ ኣይሞቝኩምን። እቲ ዚቝጸር፡ ንዓስቡ ኣብ ነዃል ዝመልኦ ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ።’” 7 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ልብኹም ናብ መገድታትኩም ኣቕንዑ።’* 8 “‘ናብ ከረን ደይቡ እሞ ዕንጨይቲ ኣምጽኡ።+ ብእኣ ባህ ምእንቲ ኽብለንን ኣነ ምእንቲ ክኽበርንሲ፡+ ነታ ቤት ህነጽዋ’+ ይብል የሆዋ።” 9 “‘ንስኻትኩም ብዙሕ ተጸቢኹም፡ ሒደት ግና ረኺብኩም፣ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኹምዎ ድማ፡ ኣነ ኡፍ ኢለ በቲነዮ።+ ስለምንታይ፧’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። ‘ነፍሲ ወከፍኩም ነንቤቱ ኺከናኸን ኢሉ ኺጓየይ ከሎ፡ ቤተይ ዓንያ ስለ ዘላ እዩ።+ 10 ስለዚ፡ ኣብ ልዕሌኹም ዘለዉ ሰማያት ኣውሎም ከሊኦም ኣለዉ፣ ምድሪ እውን ፍሪኣ ኸሊኣ ኣላ። 11 ኣነ ኸኣ ኣብ ምድርን ኣብ ኣኽራንን ኣብ እኽልን ኣብ ጕዕሽ ወይንን ኣብ ዘይትን ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዚበቍል ዘበለን ኣብ ሰባትን ኣብ ማልን ኣብ ኵሉ ጻዕሪ ኣእዳውኩምን ደርቂ ጸዊዐ ኣለኹ።’” 12 ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤልን+ እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ድምጺ የሆዋ ኣምላኾምን የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝለኣኾ ቃላት ነብዪ ሃጌን ሰምዑ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፈርሁ። 13 ሽዑ፡ ሃጌ እቲ ልኡኽ የሆዋ ነቶም ህዝቢ፡ ከምቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መዝነት፡ “‘ኣነ ምሳኻትኩም እየ’+ ይብል የሆዋ” ኢሉ መልእኽቲ ኣብጽሓሎም። 14 የሆዋ ኸኣ መንፈስ+ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልቲኤል እቲ ሹም ይሁዳን+ መንፈስ እያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅ እቲ ሊቀ ኻህናትን መንፈስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣለዓዓለ፣ መጺኦም ከኣ ኣብ ቤት ኣምላኾም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪዓይዩ ጀመሩ።+ 15 እዚ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡+ ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ሻድሸይቲ ወርሒ ዀነ። 2 ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 21 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ብነብዪ ሃጌ+ ኣቢሉ መጸ፦ 2 “በጃኻ ንዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤል እቲ ሹም ይሁዳን+ ንእያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ሕተቶም፦ 3 ‘ካባኻትኩም ነዛ ቤት* እዚኣ በቲ ዝቐደመ ኽብራ ዝረኣያ መን እዩ፧+ ሕጂ ኸመይ ኰይና ትርኣየኩም ኣላ፧ ከተነጻጽርዋ ኸለኹምሲ፡ ከም ዋላ ሓንቲ ደይኰነትን፧’+ 4 “‘ሕጂ ግና፡ ኣታ ዘሩባቤል፡ በርትዕ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኣታ እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ ከኣ፡ በርትዕ።’ “‘ኣቱም ህዝቢ እዛ ምድሪ ዅላትኩም እውን፡ በርትዑን+ ዕየዩን’ ይብል የሆዋ። “‘ኣነስ ምሳኻትኩም እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 5 ‘ነቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም ዝኣቶኹልኩም ቃል ዘክርዎ፣+ መንፈሰይ ድማ ኣብ መንጎኹም ይነብር ኣሎ።*+ ኣይትፍርሁ።’”+ 6 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘ድሕሪ ቝሩብ፡ ገና ሓንሳእ ንሰማያትን ንምድርን ንባሕርን ንንቑጽ ምድርን ከናውጾም እየ።’+ 7 “‘ንዅሎም ኣህዛብ ድማ ከናውጾም እየ፣ ናይ ኵሎም ኣህዛብ ክቡር* ነገራት ከኣ ኪመጽእ እዩ፣+ ነዛ ቤት እዚኣ እውን ብኽብሪ ኽመልኣ እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 8 “‘ብሩር ናተይ እዩ፡ ወርቂ እውን ናተይ እዩ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 9 “‘ናይ መጻኢ ኽብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኻብታ ዝቐደመት ዚዓቢ ኪኸውን እዩ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ሰላም ክህብ እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።” 10 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ሃጌ መጸ፦+ 11 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘በጃኻ ነቶም ካህናት ብዛዕባ እቲ ሕጊ ሕተቶም፦+ 12 “ሰብ ኣብ ዕጻፍ ክዳኑ ቕዱስ ስጋ እንተ ጾይሩ፡ እቲ ኽዳኑ ኸኣ እንጌራ ወይ ጸብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይ ካልእ ዓይነት ምግቢ እንተ ተንክዩ፡ እዚዶ ይቕደስ እዩ፧”’” እቶም ካህናት ድማ፡ “ኣይፋልን!” ኢሎም መለሱ። 13 ሽዑ፡ ሃጌ፡ “ሬሳ ተንክዩ* ዝረኸሰ ሰብ፡ ገለ ኻብዚ እንተ ተንክዩ፡ እዚዶ ይረክስ እዩ፧”+ ኢሉ ሓተተ። እቶም ካህናት ከኣ፡ “ይረክስ እዩ” ኢሎም መለሱሉ። 14 ሃጌ ድማ፡ “‘እዚ ህዝቢ እዚ ኸምኡ እዩ፣ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቅድመይ ከምኡ እዩ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ግብሪ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፣ ኣብኡ ዜቕርቡለይ ዘበለ እውን ርኹስ እዩ።’ 15 “‘ሕጂ ግና ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ንደሓር በጃኹም ልብኹም ናብዚ ኣቕንዑ፦* ኣብታ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸይተነብረ፡+ 16 ገሊኡ 20 መስፈር ተጸብዩ ናብ ኵምራ እኽሊ ምስ መጸ፡ 10 ጥራይ ዝጸንሖ፡ ካብ ጋብላ ወይኒ 50 መስፈር ተጸብዩ ናብቲ መዋህለል ወይኒ ምስ መጸ፡ 20 ጥራይ ዝጸንሖ ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ፧+ 17 ንዓኻትኩም ኰነ ንዅሉ ዕዮ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብዋግን+ ብበረድን ወቒዐ እየ፣ ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ናባይ ኣይተመልሰን’ ይብል የሆዋ። 18 “‘ካብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ካብ መበል 24 መዓልቲ እታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ መሰረት ቤተ መቕደስ የሆዋ እተሰረተትላ መዓልቲ ንደሓር፡+ በጃኹም ልብኹም ኣቕንዑ፣* ልብኹም ናብዚ ኣቕንዑ፦ 19 ዛጊትዶ ኣብ ማዕከን* ዘርኢ ኣሎ እዩ፧+ ተኽሊ ወይንን በለስን ሮማንን ኦም ኣውልዕን፡ ዛጊትዶ ፍረ ፈርዩ እዩ፧ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣትሒዘ በረኸት ክሰድደልኩም እየ።’”+ 20 ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኻልኣይ ሳዕ ናብ ሃጌ መጸ፦+ 21 “ንዘሩባቤል እቲ ሹም ይሁዳ ኸምዚ በሎ፦ ‘ንሰማያትን ንምድርን ከናውጾም እየ።+ 22 ዝፋን መንግስትታት ክግልብጥ፡ ብርታዐ መንግስትታት ኣህዛብ ድማ ከጥፍእ እየ፣+ ሰረገላን ተወጣሒኡን ክግልብጥ እየ፣ ኣፍራስን ተወጣሕቶምን ኪወድቁ እዮም፣ ነፍሲ ወከፍ ብሰይፊ ሓዉ ኺወድቕ እዩ።’”+ 23 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ኣነ ንዓኻ ንጊልያይ ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤል+ ክወስደካ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ንዓኻ ስለ ዝሓረኹኻ ድማ፡ ከም ቀለቤት ማሕተም ክገብረካ እየ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።” 3 ንእያሱ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ የሆዋ ደው ኢሉ ኸሎ ኣርኣየኒ፣ ሰይጣን+ ከኣ ኪጻረሮ ኢሉ ኣብ የማኑ ደው ኢሉ ነበረ። 2 ሽዑ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ ንሰይጣን፡ “ኣታ ሰይጣን፡+ የሆዋ ይግናሕካ፣ እወ፡ እቲ ንየሩሳሌም ዝሓረያ የሆዋ+ ይግናሕካ! እዝስ ካብ ሓዊ እተመንዝዐ ዚነድድ እያድ ደይኰነን፧” በሎ። 3 እያሱ ድማ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ። 4 እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ “ነቲ ረሳሕ ክዳውንቱ ኻብኡ ኣልግስዎ” በሎም። ንዕኡ ድማ፡ “ርአ፡ ስሕተትካ* ኻባኻ ኣርሒቐልካ ኣለኹ፣ ብሉጽ ክዳውንቲ እውን ክትክደን ኢኻ” በሎ።+ 5 ኣነ ኸኣ፡ “ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ይገበረሉ” በልኩ።+ ንሳቶም ድማ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ገበሩሉ፡ ክዳውንቲ እውን ከደንዎ፣ እቲ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ ነበረ። 6 ሽዑ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ ንእያሱ ኸምዚ በሎ፦ 7 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ሓላፍነታትካ እንተ ፈጺምካ፡ ሽዑ ኣብ ቤተይ ዳኛ ዄንካ ኸተገልግል፡+ ንኣጸዳተይ እውን ክትከናኸን* ኢኻ፣ ናብ መንጎ እቶም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ድማ ብናጻ ኽትኣቱ መእተዊ ኽህበካ እየ።’ 8 “‘ኣታ ሊቀ ኻህናት እያሱ፡ ንስኻ ምስቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐሚጦም ዘለዉ ብጾትካ በጃኻ ስማዕ፣ እዞም ሰባት እዚኦምሲ ንምልክት ዚዀኑ እዮም። እንሆ፡ ንጊልያይ+ ብቋል+ አምጽኦ ኣለኹ! 9 ነታ ኣብ ቅድሚ እያሱ ዘንበርዋ እምኒ ርኣያ! ኣብ ሓንቲ እምኒ ሸውዓተ ዓይኒ ኣሎ፣ ኣብኣ ድማ ጽሑፍ ክቐርጽ እየ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘በደል እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸርሕቕ እየ።’+ 10 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ንብጻይኩም ናብ ትሕቲ ተኽሊ ወይንኹምን ናብ ትሕቲ ኦም በለስኩምን ኪመጽእ ክትዕድሙ ኢኹም።’”+ 7 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ እታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ማለት ኣብ ወርሒ ከስለው፡* ቃል የሆዋ ናብ ዘካርያስ+ መጸ። 2 ህዝቢ ቤት-ኤል ከኣ ሞገስ የሆዋ ኺልምኑ* ኢሎም ንሻሬጽርን ንረገም-ሜሌክን ንሰቡን ለኣኽዎም፣ 3 ንዓታቶም ድማ ንኻህናት ቤት* የሆዋ ጐይታ ሰራዊትን ንነብያትን፡ “ከምቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝገበርክዎ፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ+ ኽበክን ካብ ምግቢ ኽሕረምንዶ፧” ኪብልዎም ለኣኽዎም። 4 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 5 “ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ሓምሸይቲ ወርሕን ኣብ ሻውዐይቲ ወርሕን+ ን70 ዓመት+ ኣብ እትጾሙሉን ዋይዋይ ኣብ እትብሉሉን ዝነበርኩም እዋን፡ ብሓቂዶ ንዓይ ኢኹም ጾይምኩምለይ፧ 6 ኣብ እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ዝነበርኩም እዋንከ፡ ንርእስኹም ደይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን ዝነበርኩም፧ 7 ነቲ ኣብ የሩሳሌምን ኣብተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታታን ብሰላም ነባሪ ኣብ ዝነበረለንን ኣብ ነጌብን ሼፈላን ነባሪ ኣብ ዝነበረሉን እዋን የሆዋ በቶም ቀዳሞት ነብያት ኣቢሉ ዝኣወጆ ቓልዶ ኽትእዘዙ ኣይግብኣኩምን፧’”+ 8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ ንዘካርያስ መጾ፦ 9 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ብናይ ሓቂ ፍትሒ ፍረዱ፣+ ንሓድሕድኩም ከኣ ብተኣማንነት ተፋቐሩን+ ተምሓሓሩን። 10 ንመበለት ወይ ንዘኽታም፡*+ ንጓና+ ወይ ንድኻ+ ኣይትዓምጹ፣ ብልብኹም ድማ ሓደ ነቲ ሓደ እከይ ኣይሕሰበሉ።’+ 11 ንሳቶም ግና ምቕላብ ኣብዮም፡+ ብንቕጽና ኸኣ ዝባኖም መሊሶም፡+ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ደፊኖም።+ 12 ልቦም ከም ኣልማዝ*+ ገይሮም፣ ነቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ገይሩ በቶም ቀዳሞት ነብያቱ ዝሰደዶ ሕግን* ቃላትን ኣይተኣዘዙን።+ ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዓብዪ ቝጥዓ መጺእዎም።”+ 13 “‘ከምቲ ኣነ ምስ ጸዋዕኩ* ዘይሰምዑ፡+ ንሳቶም ምስ ጸውዑ እውን ኣይሰምዖምን እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 14 ‘ኣብ ዘይፈልጥዎም ኵሎም ኣህዛብ ከኣ ብህቦብላ ንፋስ ፋሕ ኣቢለዮም፣+ ነታ ተባሃጊት ምድሪ ናብ መሰክሒ ለዊጦምዋ እዮም እሞ፡ ብድሕሪኦም እታ ምድሪ ብእኣ ዚሓልፍ ኰነ ዚምለስ ዘይብላ ባድም ኰይና ተሪፋ ነይራ።’”+ 12 ከቢድ መልእኽቲ፦ “ቃል የሆዋ ብዛዕባ እስራኤል” ይብልእቲ ሰማያት ዝዘርግሐ፡+መሰረት ምድሪ ዝሰረተ፡+መንፈስ* ሰብ ከኣ ኣብ ውሽጡ ዝገበረ የሆዋ። 2 “እንሆ፡ ንየሩሳሌም፡ ኣብ ዙርያ ንዘለዉ ህዝብታት ሰንከልከል እተብል ጽዋእ* ክገብራ እየ፣ ይሁዳ ድማ ክትክበብ እያ፣ የሩሳሌም እውን ከምኡ።+ 3 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየሩሳሌም፡ ንዅሎም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ። ኵሎም እቶም ዜልዕልዋ ብርግጽ ኣመና ኪቘስሉ እዮም፣+ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸኣ ኣንጻራ ኺእከቡ እዮም።+ 4 በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡ “ንዅሉ ፈረስ ብስምባድ፡ ንተወጣሒኡ ድማ ብጽላለ ኽወቅዕ እየ። ኣዒንተይ ኣብ ቤት ይሁዳ ኼተኵራ እየን፣ ንዅሉ ፈረስ ህዝብታት ግና ብዑረት ክወቅዕ እየ። 5 ሹማምንቲ* ይሁዳ ኸኣ ብልቦም፡ ‘ነበርቲ የሩሳሌም ብኣምላኾም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብርታዐይ እዮም’ ኪብሉ እዮም።+ 6 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንሹማምንቲ ይሁዳ ኣብ መንጎ ዕንጨይቲ ኸም ምድጃ ሓዊ፡ ኣብ መንጎ ተር ዝበለ ዕጻድ ከም ፋና ሓዊ ኽገብሮም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ብየማንን ብጸጋምን ዘለዉ ህዝብታት ኪበልዕዎም እዮም፣+ የሩሳሌም ከኣ ኣብ ቦታኣ፡* ኣብ የሩሳሌም፡ ከም ብሓድሽ ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም።+ 7 “የሆዋ ድማ ጽባቐ* ቤት ዳዊትን ጽባቐ* ነበርቲ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ እምብዛ ኸይዓብስ፡ ቅድም ድንኳናት ይሁዳ ኼድሕን እዩ። 8 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣብ ዙርያ ነበርቲ የሩሳሌም ኰይኑ ኺከላኸለሎም እዩ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኻባታቶም ዚዕንቀፍ* ከም ዳዊት፡ ቤት ዳዊት እውን ከም ኣምላኽ፡ ከምቲ ቐቅድሚኦም ዚኸይድ መልኣኽ የሆዋ ኪኸውን እዩ።+ 9 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንዅሎም እቶም ኣንጻር የሩሳሌም ዚመጹ ኣህዛብ ብርግጽ ከጥፍኦም እየ።+ 10 “ኣብ ቤት ዳዊትን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌምን መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምትዎ እዮም፣+ ከምቲ ንሓደ በይኑ ውሉድ ዋይዋይ ዚብሃለሉ ገይሮም ከኣ ዋይዋይ ኪብሉሉ እዮም፣ ከምቲ ንበዅሪ ወዲ ዚሕዘነሉ ገይሮም ድማ ኣምሪሮም ኪሓዝኑሉ እዮም። 11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዋይዋይታ የሩሳሌም፡ ከም ዋይዋይታ ሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ፡ ዓብዪ ኪኸውን እዩ።+ 12 እታ ምድሪ ኸኣ ዋይዋይ ክትብል እያ፣ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ንበይኑ፣ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይና፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ ዓሌት ቤት ናታን+ ንበይና፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ 13 ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይና፡+ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ ዓሌት ሺምዓውያን+ ንበይኖም፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን፣ 14 ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፡ ኣንስቶም እውን ንበይነን። 1 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡+ ኣብ ሻምነይቲ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዘካርያስ*+ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ መጸ፦ 2 “የሆዋ ንኣቦታትኩም ኣዝዩ ተቘጥዖም።+ 3 “ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “‘ናባይ ተመለሱ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ኣነ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”’ 4 “‘ከምቶም እቶም ቀዳሞት ነብያት፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ካብ እኩይ መገድታትኩምን ካብ እኩይ ግብርታትኩምን ተመለሱ’ ይብል ኣሎ” ኢሎም ዝኣወጁሎም ኣቦታትኩም ኣይትኹኑ።’+ “‘ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣየቕለቡን እውን’+ ይብል የሆዋ። 5 “‘ሕጂ ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ፧ ነብያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ነይሮም እዮም፧ 6 እቲ ንገላዎይ ነብያት ዝኣዘዝክዎም ቃላተይን ትእዛዛተይን ግና ንኣቦታትኩምዶ ኣየርከቦምን እዩ፧’+ ስለዚ ናባይ ተመሊሶም፡ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም መገድታትናን ከም ግብርታትናን፡ ከምቲ ዝወሰኖ ገይሩና’ በሉ።”+ 7 ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡+ ኣብ መበል 24 መዓልቲ እታ መበል 11 ወርሒ፡ ማለት ኣብ ወርሒ ሸባጥ፡* ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ነብዪ ዘካርያስ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ መጸ፦ 8 “ብለይቲ ራእይ ረኣኹ። እንሆ፡ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሐ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣእዋም ኣደስ ኣብ ስንጭሮ ደው በለ፣ ድሕሪኡ እውን፡ ብሩህ ሓመርን ደባን ሓመርን ኣምበላይን ዝሕብሮም ኣፍራስ ነበሩ።” 9 ኣነ ድማ፡ “ጐይታይ፡ እዚኣቶም መን እዮም፧” በልኩ። እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ “እዚኣቶም መን ከም ዝዀኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ። 10 ሽዑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣእዋም ኣደስ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፡ “እዚኣቶምሲ እቶም የሆዋ ኣብ ምድሪ ኺመላለሱ ዝሰደዶም እዮም” በለ። 11 ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኣእዋም ኣደስ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ የሆዋ፡ “ኣብ ምድሪ ተመላሊስና፣ እንሆ ኸኣ፡ ብዘላ ምድሪ ኸይተረበሸት ሃዲኣ ኣላ” በልዎ።+ 12 ስለዚ፡ እቲ መልኣኽ የሆዋ፡ “ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ነዘን በተን 70 ዓመት እተቘጣዕካየን+ የሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ዘይትምሕረን፧”+ በለ። 13 የሆዋ ኸኣ ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ብጽቡቕን ብዜጸናንዕን ቃላት መለሰሉ። 14 ሽዑ፡ እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከምዚ በለኒ፦ “ከምዚ ኢልካ ኣውጅ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ምእንቲ የሩሳሌምን ምእንቲ ጽዮንን ዓብዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣለኹ።+ 15 ነቶም ቀሲኖም ዘለዉ ኣህዛብ ብዓብዪ ቝጥዓ ተቘጢዐዮም ኣለኹ፣+ ከመይሲ፡ ቍሩብ ተቘጢዐ ነይረ፡+ ንሳቶም ግና ነቲ መዓት ወሲኾምሉ።”’+ 16 “ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ብምሕረት ናብ የሩሳሌም ክምለስ እየ፣+ ቤተይ ከኣ ኣብኣ ኽትህነጽ እያ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ገመድ መለክዒ ድማ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ኪዝርጋሕ እዩ።”’+ 17 “መሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ኣውጅ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ከተማታተይ ከም ብሓድሽ ብሰናይ ኪመልኣ እየን፣ የሆዋ ድማ ንጽዮን ከም ብሓድሽ ኬጸናንዓ፡+ ንየሩሳሌም እውን ከም ብሓድሽ ኪሓርያ እዩ።”’”+ 18 ሽዑ፡ ኣዒንተይ ኣልዒለ ኣርባዕተ ቐርኒ ረኣኹ።+ 19 ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ “እዚኣቶም እንታይ እዮም፧” ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ “እዚኣቶምሲ እቶም ንይሁዳን+ ንእስራኤልን+ ንየሩሳሌምን+ ዝበተንዎም ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ። 20 የሆዋ ኸኣ ኣርባዕተ ኢደ ጥበበኛታት ኣርኣየኒ። 21 ኣነ ድማ “እዚኣቶም እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚመጹ ዘለዉ፧” ኢለ ሓተትኩ። ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣቶምሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኽሳዕ ዘየልዕል ንይሁዳ ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም። እቲኣቶም ድማ ኬሸብርዎም፡ ነቶም ኪብትንዋ ኢሎም ኣቕርንቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ይሁዳ ዘልዓሉ ኣህዛብ እውን ኣቕርንቶም ኬውድቑ ኺመጹ እዮም” በለ። 8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸ፦ 2 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ምእንቲ ጽዮን ብዓብዪ ቕንኣት ክቐንእ እየ፣+ ብዓብዪ ነድሪ እውን ክቐንኣላ እየ።’” 3 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ናብ ጽዮን ክምለስ፡+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ፣+ የሩሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ* ኽትብሃል እያ፣+ ከረን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እውን ቅዱስ ከረን ኪብሃል እዩ።’”+ 4 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ነፍሲ ወከፎም ብምኽንያት ብዝሒ ዕድመኦም* በትሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም።+ 5 ኣደባባያት እታ ኸተማ ኸኣ በቶም ኣብኡ ዚጻወቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልእ እዩ።’”+ 6 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ነቶም በተን መዓልትታት እቲአን ካብዚ ህዝቢ እዚ ዚተርፉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እኳ እንተ መሰሎም፡ ንዓይ እውንዶ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኺመስለኒ እዩ፧’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።” 7 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ንህዝበይ ካብ ምድሪ ምብራቕን ካብ ምድሪ ምዕራብን አድሕኖም ኣለኹ።+ 8 ከምጽኦም ከኣ እየ፣ ኣብ የሩሳሌም እውን ኪነብሩ እዮም።+ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ብሓቅን* ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።’”+ 9 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ኣቱም ሕጂ ነዘን በታ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ መሰረት ቤት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ እተዘርባ ቓላት ካብ ኣፍ ነብያት እትሰምዑ ዘለኹም፡+ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ።*+ 10 ቅድሚ እታ ግዜ እቲኣስ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዓስቡ ኣይረክብን እዩ ነይሩ።+ ኣነ ዅሉ ሰብ ኣንጻር ሓድሕዱ ገይረዮ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ፡ ብሰንኪ ተጻራሪ ንምውጻእን ንምእታውን ሰላም ኣይነበረን።’ 11 “‘ሕጂ ግና ምስ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ፡ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበርክዎ ኣይክኸውንን እየ’+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 12 ‘ዘርኢ ሰላምሲ ኺዝራእ እዩ፣ ተኽሊ ወይኒ ኸኣ ፍሪኡ ኺፈሪ እዩ፣ ምድሪ ድማ ፍሪኣ ኽትህብ እያ፣+ ሰማያት እውን ኣውሎም ኪህቡ እዮም። ንተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ነዚ ዅሉ ኸውርሶ እየ።+ 13 ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን፡ ከምቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ መራገሚ ዝዀንኩም፡+ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፣ በረኸት እውን ክትኰኑ ኢኹም።+ ኣይትፍርሁ!+ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ።’*+ 14 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ከምቲ ኣቦታትኩም ስለ ዘቘጡዑኒ መዓት ከምጽኣልኩም ዝቘረጽኩ እሞ ዘይተጥዓስኩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ 15 “ከምኡ ድማ በዛ ግዜ እዚኣ ንየሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ጽቡቕ ክገብረለን ቈሪጸ ኣለኹ።+ ኣይትፍርሁ!”’+ 16 “‘እቲ ኽትገብርዎ ዚግብኣኩም ነገር እዚ እዩ፦ ንሓድሕድኩም ሓቂ ተዛረቡ፣+ እቲ ኣብ ኣፍ ደገታትኩም እትገብርዎ ፍርድታት ከኣ ብሓቂ ይኹን፡ ሰላም እውን የስፍን።+ 17 ንሓድሕድኩም ብልብኹም መዓት ኣይትሕሰቡ፣+ ማሕላ ሓሶት እውን ኣይትፍተዉ።+ ነዚ ዅሉስ እጸልኦ እየ’+ ይብል የሆዋ።” 18 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 19 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ጾም ራብዐይቲ ወርሕን+ ጾም ሓምሸይቲ ወርሕን+ ጾም ሻውዐይቲ ወርሕን+ ጾም ዓስረይቲ ወርሕን+ ንቤት ይሁዳ ኣጋጣሚ ፍስሃን ሓጐስን፡ በዓላት ታሕጓስ ኪኸውን እዩ።+ ስለዚ፡ ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።’ 20 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝብታትን ነበርቲ ብዙሓት ከተማታትን ገና ኺመጹ እዮም፣ 21 ነበርቲ ሓንቲ ኸተማ ድማ ናብቶም ናይታ ሓንቲ ኸይዶም፡ “ሞገስ የሆዋ ኽንልምንን* ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ክንደልዮንሲ ሃየ ንኺድ። ኣነ እውን ክኸይድ እየ” ኺብሉ እዮም።+ 22 ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ከኣ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ኪደልይዎን+ ሞገስ የሆዋ ኺልምኑን* ኪመጹ እዮም።’ 23 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘በተን መዓልትታት እቲአን፡ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰባት+ ንሓደ ኣይሁዳዊ* ወለል ዚብል ክዳኑ* ሒዞም፡ እወ ኣጽኒዖም ሒዞም፡ “ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡+ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና”+ ኺብልዎ እዮም።’” 11 “ሓዊ ንቔድሮሳትካ ምእንቲ ኺበልዖሲ፡ኣታ ሊባኖስ፡ ኣፍ ደገታትካ ኽፈት። 2 ኣታ ጽሕዲ፡* ቄድሮስ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በል፣ግሩም ኣእዋምሲ ጠፊኡ እዩ! ኣቱም ገዘፍቲ ኣእዋም ባሳን፡እቲ ጽዑቕ ዱር ወሪዱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ! 3 ግርማኦም በሪሱ እዩ እሞ፡ዋይዋይታ ጓሶት ስምዑ! ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ምጕዛም ሽደናት ኣናብስ ስምዑ! 4 “የሆዋ ኣምላኸይ ከምዚ ይብል፦ ‘ነተን መጓሰ ማሕረዲ ጓስየን፣+ 5 ንዓታተን ዓደግተን ሓሪዶምወንሲ+ በደልቲ ኣይኰኑን። እቶም ዚሸጥወን ከኣ፡+ “ኣነ ኽህብትም እየ እሞ፡ የሆዋ ይወደስ” ይብሉ። ጓሶተን ድማ ኣይርሕርሑለንን።’+ 6 “‘ኣነስ ንነበርቲ እታ ምድሪ ደጊም ኣይክርሕርሓሎምን እየ’ ይብል የሆዋ። ‘ስለዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢድ ብጻዩን ንጉሱን ከውድቖ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነታ ምድሪ ኺሕምሽሽዋ እዮም፣ ኣነ እውን ካብ ኢዶም ኣይከናግፎምን እየ።’” 7 ኣነ ድማ ነተን መጓሰ ማሕረዲ፡ ነተን ውጹዓት እተን መጓሰ፡ ምእንታኻትክን ጓሰኽወን።+ ስለዚ፡ ክልተ በትሪ ወሰድኩ፣ ነታ ሓንቲ ደስታ፡ ነታ ሓንቲ ኸኣ ሕብረት በልክወን፣+ ነተን መጓሰ እውን ጓሰኽወን። 8 ኣብ ሓንቲ ወርሒ ድማ ሰለስተ ጓሶት ሰጐጕኩ፣ ከመይሲ፡ ኣነ ኽዕገሶም ኣይከኣልኩን፡* ንሳቶም እውን ንዓይ ፈንፈኑኒ።* 9 ኣነ ኸኣ፡ “ድሕርዚ፡ ኣይክጓስየኩምን እየ። እታ እትመውት ትሙት፡ እታ እትጠፍእ እውን ትጥፋእ። እተን ዝተረፋ ድማ፡ ስጋ ሓድሕደን ይብልዓ” በልኩ። 10 ስለዚ፡ ነታ በትሪ ደስታ ወሲደ+ ቘረጽክዋ፡ ምስ ኵሎም ህዝብታት ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ድማ ኣፍረስክዎ። 11 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ተሰብረት፣ እተን ዚጥምታኒ ዝነበራ ውጹዓት እተን መጓሰ ድማ ቃል የሆዋ ምዃኑ ፈለጣ። 12 ሽዑ፡ “ጽቡቕ መሲሉ እንተ ተራእዩኩም፡ ዓስበይ ሃቡኒ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ሕደግዎ” በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ዓስበይ 30 ብሩር ከፈሉኒ።*+ 13 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ነቲ ዋጋይ ገይሮም ዝገምገምዎ ኽቡር ዋጋ፡ ናብ ቤት መዝገብ ደርብዮ” በለኒ።+ ኣነ ድማ ነቲ 30 ብሩር ወሲደ ናብቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዘሎ ቤት መዝገብ ደርበኽዎ።+ 14 ሽዑ፡ ነታ ኻልአይቲ በትረይ፡ ነታ ሕብረት ቈረጽክዋ፡+ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዝነበረ ሕውነት ከኣ ኣፍረስክዎ።+ 15 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ሕጂ፡ ናውቲ ዘይጠቅም ጓሳ ውሰድ።+ 16 ኣነስ ኣብታ ምድሪ፡ ጓሳ ኺትንስእ ክሓድግ እየ። ንሱ ነተን ዚጠፍኣ ዘለዋ ኣባጊዕ ኣይኪከናኸነንን እዩ፣+ ንዕያውቲ ኣይኪደልን፡ ንእተጐድኣ ኸኣ ኣይኪፍውስን፡+ ደው ኪብላ ንዚኽእላ ድማ ኣይኬብልዕን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስጋ ስብሕቲ ኺበልዕ፡+ ሸዀናታት እተን ኣባጊዕ ከኣ ኪምንጭት እዩ።+ 17 እቲ መጓሰ ዚሓድግ+ ዘይጠቅም ጓሳ ወይለኡ!+ ሰይፊ ንቕልጽሙን ንየማነይቲ ዓይኑን ኪወቕዖ እዩ። ቅልጽሙ ጠሪሳ ኽትነቅጽ እያ፣የማነይቲ ዓይኑ ድማ ጠሪሳ ኽትዓውር* እያ።” 2 ኣዒንተይ ኣልዒለ ድማ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ+ ዝሓዘ ሰብኣይ ረኣኹ። 2 ኣነ ኸኣ፡ “ናበይ ኢኻ እትኸይድ ዘለኻ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ “የሩሳሌም ግፍሓ ኽንደይ ምዃኑን ንውሓታ ኽንደይ ምዃኑን ክርኢ”+ ኢሉ መለሰ። 3 እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወጸ፣ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪረኽቦ መጸ። 4 ከምዚ ኸኣ በሎ፦ “ናብቲ ጐዪኻ፡ ነቲ ጐበዝ ከምዚ ኢልካ ንገሮ፦ ‘“ብምኽንያት ኵሎም እቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ሰባትን ማልን፡ የሩሳሌም ከም ገጠር* ኪነብርዋ እዮም።+ 5 ኣነ ድማ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፡+ ኣብ ማእከላ እውን ክብሪ ክኸውን እየ”+ ይብል የሆዋ።’” 6 “ንዑ! ንዑ! ካብ ምድሪ ሰሜን ህደሙ”+ ይብል የሆዋ። “ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማያትሲ ፋሕ ኣቢለኩም እየ”+ ይብል የሆዋ። 7 “ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን ተቐሚጥኪ ዘለኺ ጽዮን፡ ንዒ ኣምልጢ።+ 8 እቲ ምስ ከበረ* ናብቶም ዚዘምቱኹም ዝነበሩ ኣህዛብ ዝለኣኸኒ የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል፦+ ‘ዚትንክየኩም ዘበለ፡ መርዓት ዓይነይ* እዩ ዚትንኪ።+ 9 ኣነስ ኢደይ ከወጣውጠሎም እየ፣ ንሳቶም እውን ንባሮቶም ዘመተ ኪዀንዎም እዮም።’+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለኣኸኒ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም። 10 “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣነ እመጽእ ኣለኹ፡+ ኣብ ማእከልኪ ድማ ክነብር እየ እሞ፡+ ብታሕጓስ ጨድሪ”+ ይብል የሆዋ። 11 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት ኣህዛብ ምስ የሆዋ ኺሓብሩ፡+ ህዝበይ ከኣ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ።” ንስኺ እውን የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ። 12 የሆዋ ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ ንይሁዳ ግዲኡ ገይሩ ኺርስተያ፡ ንየሩሳሌም ከኣ ከም ብሓድሽ ኪሓርያ እዩ።+ 13 የሆዋ ኻብቲ ቕዱስ መንበሪኡ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ እሞ፡ ኵሉ ስጋ* ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይበል። 4 እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ተመሊሱ፡ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ ዜበራብሮ ገይሩ፡ ኣበራበረኒ። 2 “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ድማ በለኒ። ኣነ ኸኣ ከምዚ በልኩ፦ “እንሆ፡ ኵለንትናኡ ኻብ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐንዴል፡+ ኣብ ርእሱ ኸኣ ጭሔሎ እርኢ ኣለኹ። ኣብኡ ድማ ሸውዓተ ቐንዴል፡+ እወ፡ ሸውዓተ ኣሎ፣ እቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ቐነዲል ከኣ ሸውዓተ ሻምብቆ ኣለዎ። 3 ኣብ ጥቓኡ ኸኣ ክልተ ኦም ኣውልዕ፡+ ሓንቲ ብየማን እታ ጭሔሎ፡ ሓንቲ ብጸጋማ ኣለዋ።” 4 ሽዑ፡ ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ጐይታይ፡ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧” ኢለ ሓተትክዎ። 5 እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፡ “እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ፡ “ኣይፋልን፡ ጐይታይ” ኢለ መለስኩ። 6 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል የሆዋ እዚ እዩ፦ ‘“ብመንፈሰይ እምበር፡+ ብሰራዊትን ብሓይልን ኣይኰነን”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 7 ኣታ ዓብዪ ኸረን፡ መን ኢኻ፧ ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል+ ጐልጐል ክትከውን ኢኻ።+ “ክንደይ ይጽብቕ! ክንደይ ይጽብቕ!” ተባሂሉ እናተጨደረ፡ ንሱ እምኒ ርእሲ* ኼውጽእ እዩ።’” 9 “ኣእዳው ዘሩባቤል ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ሰሪተናኣ እየን፣+ ኣእዳዉ እውን ኪፍጽማኣ እየን።+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኸኣ ክትፈልጥ ኢኻ። 10 ንመዓልቲ ንኣሽቱ ጅመራ* ዚንዕቕሲ መን እዩ፧+ ንሳቶምሲ ኺሕጐሱን ኣብ ኢድ ዘሩባቤል መለክዒ መንደቕ* ኪርእዩን እዮም። እዘን ሸውዓተሲ እተን ኣብ ኵላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ የሆዋ እየን።”+ 11 ሽዑ፡ “እዘን ኣብ የማንን ኣብ ጸጋምን እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዘለዋ ኽልተ ኦም ኣውልዕሲ እንታይ ማለት እየን፧” ኢለ ሓተትክዎ።+ 12 ካልኣይ ሳዕ እውን፡ “እዞም በቲ ኽልተ ሻምብቆ ወርቂ ኣቢሎም ፈሳሲ ወርቂ ዜፍስሱ ኽልተ ጕጅለ ውልዶታት* ኣእዋም ኣውልዕ እንታይ ማለት እዮም፧” ኢለ ሓተትክዎ። 13 ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣቶም እንታይ ምዃኖምዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “ኣይፋልን፡ ጐይታይ” ኢለ መለስኩ። 14 ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣቶምሲ እቶም ኣብ ጐድኒ እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለ።+ 6 ሽዑ፡ ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዒለ ኣርባዕተ ሰረገላ ኻብ መንጎ ኽልተ ኸረን ኪመጻ ረኣኹ፣ እቲ ኣኽራን እውን ኣኽራን ነሓሲ ነበረ። 2 ኣብታ ቐዳመይቲ ሰረገላ ሓመራት ኣፍራስ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ሰረገላ ድማ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ።+ 3 ኣብታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ኣምበላያት ኣፍራስ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ሰረገላ ድማ ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣፍራስ ነበሩ።+ 4 ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ጐይታይ፡ እዚኣቶም እንታይ እዮም፧” ኢለ ሓተትክዎ። 5 እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፦ “እዚኣቶምሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ድሕሪ ምቛሞም ዚወጹ+ ኣርባዕተ መናፍስቲ+ ሰማያት እዮም። 6 እታ መጋላት ኣፍራስ ዘለውዋ፡* ናብ ምድሪ ሰሜን ትወጽእ ኣላ፣+ እታ ኣምበላያት ዘለውዋ ናብ ስግር ባሕሪ ትወጽእ ኣላ፣ እታ ትኳዕ ትኳዕ ዘለውዋ ናብ ምድሪ ደቡብ ትወጽእ ኣላ። 7 እቶም ጕራጕራ ኸኣ ንምድሪ ምእንቲ ኺመላለስዋ፡ ኪወጹ ተሃንጠዩ።” ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኪዱ፡ ንምድሪ ተመላለስዋ” በለ። ንሳቶም ከኣ ንምድሪ ተመላለስዋ። 8 ሽዑ፡ ንሱ ጸውዓኒ እሞ፡ “ርአ፡ እቶም ናብ ምድሪ ሰሜን ዝወጹ፡ ኣብ ምድሪ ሰሜን መንፈስ የሆዋ ኸም ዚዓርፍ ገይሮም ኣለዉ” በለኒ። 9 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 10 “ካብ ሔልዳይን ጦብያን የዳዕያን፡ ነቲ ኻብቶም ኣብ ምርኮ ዘለዉ ህዝቢ ዘምጽእዎ ውሰዶ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ምስቶም ካብ ባቢሎን ዝመጹ፡ ናብ ቤት ዮስያስ ወዲ ጸፎንያስ ኪድ። 11 ብሩርን ወርቅን ውሰድ እሞ ዘውዲ* ጌርካ ንእያሱ ወዲ የሆጻዳቅ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ርእሱ ድፍኣሉ።+ 12 ከምዚ ድማ በሎ፦ “‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “እቲ ብቋል+ ዝስሙ ሰብኣይ እንሆ። ንሱ ኻብ ቦታኡ ኺበቍል፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ እውን ኪሃንጽ እዩ።+ 13 ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚሃንጽ ንሱ እዩ፣ ግርማ ዚረክብ እውን ንሱ እዩ። ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ድማ ኪገዝእ፡ ኣብ ዝፋኑ ኸኣ ካህን ኪኸውን፡+ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ* እውን ሰላማዊ ስምምዕ ኪኸውን እዩ። 14 እቲ ዘውዲ* ድማ ንሄላምን ንጦብያን ንየዳዕያን+ ንሄን ወዲ ጸፎንያስን ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ንመዘከርታ ኪዀኖም እዩ። 15 እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኸኣ፡ መጺኦም ኣብ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኺሳተፉ እዮም።” የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ብርግጽ እንተ ሰሚዕኩም ከኣ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።’” 10 “ብግዜ ዝናም ጽብሓት ንየሆዋ ዝናም ለምንዎ። ደበናታት ዚገብር፡ዝናም ከኣ ዜዝንመሎም፡+ንዅሉ እውን ኣትክልቲ መሮር ዚህብ፡ የሆዋ እዩ። 2 ተራፊምሲ* ምትላል* ይዛረቡ፣ጠንቈልቲ ድማ ራእይ ሓሶት ይርእዩ። ብዛዕባ ዘይጠቅም ሕልምታቶም ይዛረቡ፣ብኸንቱ ኸኣ ኬጸናንዑ ይፍትኑ። ስለዚ፡ ከም ኣባጊዕ ኰለል ኪብሉ እዮም። ጓሳ የልቦን እሞ፡ ኪሳቐዩ እዮም። 3 ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ኪነድድ፡ነቶም ጨቈንቲ መራሕቲ* ድማ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ፣የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ቘላሕታኡ ናብ መጓሰኡ፡ ናብ ቤት ይሁዳ ገይሩ ኣሎ፣+ኣብ ውግእ ከኣ ከምቲ ግሩም ፈረሱ ኺገብሮም እዩ። 4 ካብኡ ኣውራ* ይመጽእ፣ካብኡ ዚድግፍ ገዛኢ* ይመጽእ፣ካብኡ ቐስቲ ውግእ ይመጽእ፣ካብኡ ዅሉ ሓለቓ፡* ኵሉ ብሓባር ይወጽእ። 5 ከም ጀጋኑ ድማ ኪዀኑ፡ኣብ ውግእ ከኣ ኣብ ጐደናታት ጭቃ ኺረግጹ እዮም። የሆዋ ምሳታቶም እዩ እሞ፡ ኪዋግኡ እዮም፣+ተወጣሕቲ ኣፍራስ ድማ ኪሓፍሩ እዮም።+ 6 ንቤት ይሁዳ ኸበርትዓ፡ንቤት ዮሴፍ ከኣ ከድሕና እየ።+ ክምሕሮም እየ እሞ፡+ክመልሶም እየ፣ከም ዘይደርበኽዎም ድማ ኪዀኑ እዮም፣+ኣነስ የሆዋ ኣምላኾም እየ፡ ክምልሰሎም እውን እየ። 7 እቶም ካብ ኤፍሬም ዘበሉ ኸም ጀጋኑ ኪዀኑ እዮም፣ልቦም ከኣ ከም ብወይኒ ኺሕጐስ እዩ።+ ደቆም ድማ እዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፣ልቦም እውን ብየሆዋ ባህ ኪብሎ እዩ።+ 8 ‘ከፋጽየሎምን ክእክቦምን እየ፣ኣነስ ክብጀዎም እየ፡+ ንሳቶም ከኣ ኪበዝሑ፡መሊሶም እውን ኪበዝሑ እዮም እሞ፡ 9 ኣብ ህዝብታት እኳ እንተ ዘራእክዎም፡ኣብ ርሑቕ ኪዝክሩኒ እዮም፣ምስ ደቆም ድማ ኪሕደሱን ኪምለሱን እዮም። 10 ካብ ምድሪ ግብጺ ኽመልሶም፡ካብ ኣሶር ከኣ ክእክቦም እየ፣+ናብ ምድሪ ጊልዓድን+ ሊባኖስን ከምጽኦም እየ፣ዚኣኽሎም ቦታ ድማ ኣይኪርከብን እዩ።+ 11 ንሱ ብባሕሪ ኣጨኒቑ ኺሓልፍ እዩ፣ኣብ ባሕሪ ኸኣ ንማዕበላት ኪወቕዖ እዩ፣+ኵሉ መዓሙቝ ኒል ኪነቅጽ እዩ። ትምክሕቲ ኣሶር ኪወርድ፡ዘንጊ ግብጺ ኺርሕቕ እዩ።+ 12 ብየሆዋ ኸበርትዖም እየ፣+ብስሙ ድማ ኪመላለሱ እዮም’+ ይብል የሆዋ።” 14 “እንሆ፡ እታ መዓልቲ፡ መዓልቲ የሆዋ ትመጽእ ኣላ፣ ሽዑ፡ ምርኮኺ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ።* 2 ኣነ ኸኣ ንዅሎም ኣህዛብ ንውግእ ኣንጻር የሩሳሌም ክእክቦም እየ፣ እታ ኸተማ ድማ ክትተሓዝ፡ ኣፍራስ ከኣ ኪዝመቱ፡ ኣንስቲ እውን ኪዕመጻ እየን። ፍርቂ እታ ኸተማ ኸኣ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ፣ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ካብታ ኸተማ ኣይኪምንቈሱን እዮም። 3 “የሆዋ ድማ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ ዚዋግኦ፡+ ወጺኡ ምስዞም ኣህዛብ ኪዋጋእ እዩ።+ 4 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣእጋሩ ኣብቲ ብምብራቕ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ዘሎ ኸረን ኣውልዕ* ኪቐውም እዩ፣+ እቲ ኸረን ኣውልዕ* ከኣ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ ፍርቂ ኺስንጠቕ እሞ ኣዝዩ ዓብዪ ስንጭሮ ኪኸውን እዩ፣ ፍርቂ እቲ ኸረን ድማ ናብ ሰሜን፡ ፍርቁ እውን ናብ ደቡብ ኪግዕዝ እዩ። 5 እቲ ስንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳብ ኣጼል ኪበጽሕ እዩ እሞ፡ ናብ ስንጭሮ ኣኽራነይ ክትሃድሙ ኢኹም። ከምቲ ብዘመን ዑዝያ ንጉስ ይሁዳ ብሰሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሃደምኩም፡ ክትሃድሙ ኢኹም።+ የሆዋ ኣምላኸይ ድማ ኪመጽእ እዩ፣ ኵሎም ቅዱሳት ከኣ ምስኡ ኪዀኑ እዮም።+ 6 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክቡር ብርሃን ኣይኪህሉን እዩ፣+ ነገራት ኪረግእ* እዩ። 7 ናይ የሆዋ ምዃና እተፈልጠት ሓንቲ መዓልቲ ኽትከውን እያ።+ መዓልቲ ወይ ለይቲ ኣይክትከውንን እያ፣ ብግዜ ምሸት ከኣ ብርሃን ኪኸውን እዩ። 8 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ህያው ማያት+ ካብ የሩሳሌም፡+ ፍርቁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡*+ ፍርቁ ድማ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ*+ ኺውሕዝ እዩ። ብሓጋይን ብኽረምትን ከምኡ ኪኸውን እዩ። 9 የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺነግስ እዩ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ሓደ ኪኸውን፡+ ስሙ እውን ሓደ ኪኸውን እዩ።+ 10 “ብዘላ እታ ምድሪ፡ ካብ ጌባዕ+ ክሳብ ሪሞን+ ደቡብ የሩሳሌም፡ ከም ዓራባ+ ኽትከውን እያ፣ ንሳ ኸኣ ኣብ ቦታኣ ኽትትንስእ፡ ካብ ኣፍ ደገ ብንያም+ ክሳብ ቦታ እታ ቐዳመይቲ ኣፍ ደገ፡ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን፡ ካብ ግምቢ ሓናንኤል+ ክሳብ መጽመቝ ወይኒ* ንጉስ እውን ነባሪ ኺህልዋ እዩ።+ 11 ህዝቢ ድማ ኪነብርዋ እዮም፣ ደጊም ከኣ ከቶ መርገም ጥፍኣት ኣይኪኸውንን እዩ፣+ የሩሳሌም እውን ብደሓን ክትንበር እያ።+ 12 “እቲ የሆዋ ንዅሎም እቶም ንየሩሳሌም ዚዋግእዋ ህዝብታት ዚቐዝፈሉ መቕዘፍቲ ድማ እዚ እዩ፦+ ብኣእጋሮም ደው ኢሎም ከለዉ ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፣ ኣዒንቶም ከኣ ኣብ ጕድጓደን ኪምሽምሻ እየን፣ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ። 13 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ የሆዋ ዚመጽእ ዕግርግር ኣብ መንጎኦም ኬስፋሕፍሕ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኢድ ብጻዩ ዓትዒቱ ኺሕዝ እዩ፣ ኢዱ እውን ኣንጻር ኢድ ብጻዩ ኽትልዓል እያ።*+ 14 ይሁዳ ድማ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ውግእ ክትሳተፍ እያ፣ ሃብቲ ዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ከኣ ኪእከብ እዩ።+ 15 “ከምቲ መቕዘፍቲ ዝበለ መቕዘፍቲ እውን ኣብ ልዕሊ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣግማልን ኣእዱግን ኣብ ልዕሊ እተን ኣብቲ ሰፈራት ዚርከባ ዅለን ማልን ኪመጽእ እዩ። 16 “ኵሎም ተረፍ እቶም ኣንጻር የሩሳሌም ዚመጹ ኣህዛብ ድማ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱሉን*+ በዓል ዳስ ኬብዕሉን+ ዓመት ዓመት ኪድይቡ እዮም።+ 17 ግናኸ፡ ካብ ዓሌታት ምድሪ ሓደ እኳ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪሰግደሉ ናብ የሩሳሌም እንተ ዘይደይቡ፡ ኣባታቶም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ።+ 18 ዓሌት ግብጺ እንተ ዘይደይቦምን እንተ ዘይመጺኦምን ከኣ፡ ዝናም ኣይኪረኽቡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ የሆዋ ነቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይደየቡ ኣህዛብ ዝቐዘፈሉ መቕዘፍቲ ኺመጾም እዩ። 19 ንሓጢኣት ግብጽን ንሓጢኣት ኵሎም እቶም በዓል ዳስ ኬብዕሉ ዘይደየቡ ኣህዛብን እዚ መቕጻዕቲ እዚ ኪኸውን እዩ። 20 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ‘ቅድስና ናይ የሆዋ!’ ዚብል ቃላት+ ኣብ ደወላት ኣፍራስ ኪጽሓፍ እዩ። ኣብ ቤት የሆዋ ዚህሉ ቝራዓት+ ድማ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዚርከብ ጭሔሎታት ኪኸውን እዩ።+ 21 ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዚርከብ ቍራዕ ከኣ ቅዱስ ኪኸውን፡ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እውን ኪኸውን እዩ፣ ኵሎም እቶም ዚስውኡ ድማ መጺኦም ብገለ ኻብኡ ኼብስሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከነኣናዊ* ደጊም ኣይኪህሉን እዩ።”+ 9 ከቢድ መልእኽቲ፦ “ዓይኒ የሆዋ ኣብ ሰባት፡+ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል እያ እሞ፡ቃል የሆዋ ኣንጻር ምድሪ ሓድራክ እዩ፣ደማስቆ ኸኣ ዕላማኡ* እዩ፣+ 2 ኣንጻር እታ ኣብ ዶባ ዘላ ሓማት+ ድማ እዩ፣ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፡+ ኣንጻር ጢሮስን+ ሲዶንን+ እውን እዩ። 3 ጢሮስ ዕርዲ ገበረት። ብሩር ከም ሓመድ፡ወርቂ እውን ከም ጭቃ ጐደናታት ኰመረት።+ 4 እንሆ፡ የሆዋ ንገንዘባ ኺወስዶ፡ንሰራዊታ ኸኣ ወቒዑ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ፣*+ንሳ እውን ብሓዊ ኽትብላዕ እያ።+ 5 ኣሽቀሎን እዚ ርእያ ኽትፈርህ እያ፣ጋዛ ድማ ብርቱዕ ስቓይ ክትሳቐ፡ዔቅሮን ከኣ ተስፋኣ ዜሕፍር ስለ ዝዀነ፡ ከምኡ ኽትከውን እያ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ፡ኣሽቀሎን ድማ ነባሪ ዘይብላ ኽትከውን እያ።+ 6 ድቓላ ኣብ ኣሽዶድ ኪሰፍር እዩ፣ኣነ ኸኣ ንትምክሕቲ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ።+ 7 ካብ ኣፉ ነቲ ደም እተጸየቐ ነገር፡ካብ መንጎ ኣስናኑ ድማ ጽያፍ ከርሕቕ እየ፣ንሱ ኸኣ ንኣምላኽና ኺተርፈሉ እዩ፣ኣብ ይሁዳ ድማ ከም ሹም፡*+ዔቅሮን እውን ከም ይቡሳዊ ኪኸውን እዩ።+ 8 ዚሓልፍን ዚምለስን ከይህሉስ፡ንቤተይ ሓላዊ ዀይነ ኽሰፍር እየ፣+ሕጂ ብኣዒንተይ ርእየዮ እየ* እሞ፡ደጊም ኣዕያዪ* ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 9 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጐሲ። ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ፡ ንጉስኪ ይመጽእ ኣሎ።+ ንሱ ጻድቕን ድሕነት ዜምጽእን እዩ፣*ትሑት እዩ፡+ ኣብ ኣድጊ፡ኣብ ጻዕብ፡* ኣብ ውላድ ኣድጊ ድማ ተወጢሑ ኣሎ።+ 10 ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፡ፈረስ ድማ ካብ የሩሳሌም ከርሕቕ እየ። ቀስቲ ውግእ ኪርሕቕ እዩ። ንሱ ኸኣ ንኣህዛብ ሰላም ኪእውጀሎም እዩ፣+ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳብ ባሕሪ፡ካብቲ ፈለግ* ክሳብ ወሰናት ምድሪ ኪኸውን እዩ።+ 11 ንዓኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ፡ንእሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዘይብሉ ጕድጓድ ከውጽኦም እየ።+ 12 ኣቱም ተስፋ ዘሎኩም እሱራት፡ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ።+ ሎሚ፡ እነግረኪ ኣለኹ፦ ‘ዕጽፊ ገይረ ክኽሕሰኪ እየ።+ 13 ንይሁዳስ ቀስተይ ገይረ ኽግትሮ* እየ። ነቲ ቐስቲ ድማ ብኤፍሬም ክመልኦ* እየ፣ኣቲ ጽዮን ከኣ፡ ንደቅኺ ኸንቅሖም፡ኣቲ ግሪኽ ድማ፡ ንዓታቶም ኣንጻር ደቅኺ ኽገብሮም እየ፣ንዓኺ ኸኣ ከም ሰይፊ ጅግና ኽገብረኪ እየ።’ 14 የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ኪርአ፡ፍላጻኡ ድማ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መለኸት ኪነፍሕ፡+ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ከኣ ኪግስግስ እዩ። 15 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኪከላኸለሎም እዩ፣ንሳቶም እውን እምኒ ወንጭፍ ኪውሕጡን ኪረግጹን እዮም።+ ኪሰትዩ፡ ከም ብወይኒ ዝሰኸሩ ድማ ነውጻማት ኪዀኑ እዮም። ከም ጭሔሎ፡ከም መኣዝናት መሰውኢ ኸኣ ኪምልኡ እዮም።+ 16 ከምቲ ኣብ መሬቱ ዜንጸባርቕ ክቡር እምኒ ዘውዲ እዮም እሞ፡+በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣምላኾም፡ከም መጓሰ ህዝቡ ኼድሕኖም እዩ።+ 17 ሕያውነቱስ* ክንደይ ዓብዪ፡+ጽባቐኡ እውን ክንደይ ዓብዪ እዩ! እኽሊ ንኣጕባዝ፡ጕዕሽ ወይኒ ኸኣ ንደናግል ኬዕቢ እዩ።”+ 13 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንቤት ዳዊትን ንነበርቲ የሩሳሌምን፡ ንምንጻህ ሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዒላ ኽትክፈተሎም እያ።+ 2 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ስማት ጣኦታት ካብታ ምድሪ ኽድምስስ እየ፡+ ደጊም እውን ኣይኪዝከሩን እዮም፣ ካብታ ምድሪ ድማ ነብያትን+ መንፈስ ርኽሰትን ከወግድ እየ። 3 ሓደ ሰብ መሊሱ እንተ ተነብዩ ኸኣ፡ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ‘ብስም የሆዋ ሓሶት ስለ እተዛረብካ፡ ብህይወት ኣይክትነብርን ኢኻ’ ኺብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ ብሰሪ ምንባዩ ኺወግእዎ እዮም።+ 4 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ኪንበዩ ኸለዉ ብራእዮም ኪሓፍሩ እዮም፣ ኬታልሉ ኢሎም ከኣ ጸጓር ባርኖስ ኣይኪለብሱን እዮም።+ 5 ነፍሲ ወከፍ ድማ፡ ‘ነብዪ ኣይኰንኩን። ንእሽቶ ኸለኹ ሰብ ስለ ዝዓደገኒ፡ መሬት ዚሓርስ ሰብ ደኣ እየ’ ኺብል እዩ። 6 ‘እዚ ኣብ መንጎ መንኵባትካ* ዘሎ ኣቝሳል እንታይ እዩ፧’ ተባሂሉ እንተ ተሓቲቱ ኸኣ፡ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ኣቝሳል እዩ’ ኢሉ ኺምልስ እዩ። 7 “ኦ ሰይፊ፡ ኣንጻር ጓሳይ፡+ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝዀነ ሰብ ንቓሕ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፡+ እተን መጓሰ* ድማ ፋሕ ይበላ፣+ኢደይ ከኣ ኣንጻር እቶም ንኣሽቱ ኽመልስ እየ።” 8 “ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ” ይብል የሆዋ፡“ክልተ ኣፍ ኣብኣ ኺምንቈሱን ኪጠፍኡን* እዮም፣እቶም ሲሶ ድማ ኣብኣ ኺተርፉ እዮም። 9 ነቶም ሲሶ ኸኣ ብሓዊ ኣሕሊፈ ኸምጽኦም፡ከምቲ ብሩር ዚጸሪ ድማ ከጽርዮም፡ከምቲ ወርቂ ዚፍተን እውን ክፍትኖም እየ።+ ስመይ ኪጽውዑ እዮም፣ኣነ እውን ክምልሰሎም እየ። ኣነ፡ ‘ህዝበይ እዮም’ ክብል እየ፣+ንሳቶም ከኣ፡ ‘የሆዋ ኣምላኽና እዩ’ ኺብሉ እዮም።” 5 ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዒለ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ ረኣኹ። 2 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “20 እመት* ዝንውሓታን 10 እመት ዝግፍሓን እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ እርኢ ኣለኹ” ኢለ መለስኩ። 3 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ዚሰርቕ ዘበለ+ ኸምቲ እቲ ኣብ ሓደ ሸነኻ እተጻሕፈ ጌርካ ኸይተቕጽዐ ተሪፉ ስለ ዘሎ፡ ብሓሶት ዚምሕል ዘበለ+ እውን ከምቲ ኣብቲ ሓደ ሸነኻ እተጻሕፈ ጌርካ ኸይተቐጽዐ ተሪፉ ስለ ዘሎ፡ እዝስ እቲ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ዚወጽእ መርገም እዩ። 4 ‘ኣነ እየ ኣውጺአዮ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ናብ ቤት እቲ ሰራቕን ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሶት ዚምሕልን ድማ ኪኣቱ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ድማ ኪጸንሕ፡ ንዓኣን ንኣዕጫዋን ንኣእማናን ከኣ ኪበልዓ እዩ።’” 5 ሽዑ፡ እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ቀሪቡ፡ “በጃኻ፡ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ እንታይ ትወጽእ ከም ዘላ ርአ” በለኒ። 6 ኣነ ድማ፡ “እንታይ እያ፧” ኢለ ሓተትኩ። ንሱ ኸኣ፡ “እዚኣስ እታ እትወጽእ ኤፋ* እያ” ኢሉ መለሰ። ኣስዒቡ ድማ፡ “ኣብ ኵላ ምድሪ፡ እዚኣ እያ ትርኢቶም” በለ። 7 ካብ ዓረር እተገብረ ኸቢብ መኽደኒ ኺልዓል ከኣ ረኣኹ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ኤፋ እውን ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት። 8 ንሱ ድማ፡ “እዚኣ እከይ እያ” በለ። ናብታ ኤፋ ኸኣ መሊሱ ደርበያ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኸቢድ ዓረር ኣብ ልዕሊ ኣፋ ወተፎ። 9 ኣዒንተይ ኣልዒለ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኪቐርባ ረኣኹ፣ ኣብ ንፋስ ከኣ ይበርራ ነበራ። ከም ኣኽናፍ ራዛ ዝበለ ኣኽናፍ ድማ ነበረን። ነታ ኤፋ ድማ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ኣልዓላኣ። 10 ኣነ ኸኣ ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ነታ ኤፋ ናበይ እየን ዚወስዳኣ ዘለዋ፧” ኢለ ሓተትክዎ። 11 ንሱ ድማ፡ “ንዓኣ ቤት ክትህነጸላስ፡ ናብ ምድሪ ሲንኣር፣*+ ንሳ ምስ ተዳለወት ከኣ፡ ኣብኡ ኣብ ግቡእ ቦታኣ ኽትንበር እያ” ኢሉ መለሰ። 3 “እንሆ፡ ልኡኸይ እልእኽ ኣለኹ፣ ንሱ ድማ ቀቅድመይ መገዲ ኺጸርግ* እዩ።+ ብሃንደበት ከኣ እቲ እትደልይዎ ናይ ሓቂ ጐይታ ናብ ቤተ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣+ እቲ ብእኡ ደስ ዝበለኩም ልኡኽ እቲ ኺዳን ድማ ኪመጽእ እዩ። እንሆ፡ ብርግጽ ኪመጽእ እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 2 “ግናኸ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ኪጻወራ እዩ፧ ንሱ ኺግለጽ ከሎ መን ኪቐውም ይኽእል፧ ንሱስ ከም ሓዊ ዀላዕን ከም ሳሙና+ ሓጻባይን ኪኸውን እዩ። 3 ከም ኰላዕን ኣጽራይን ብሩር ኪቕመጥ፡+ ንደቂ ሌዊ ድማ ኬጽርዮም እዩ፣ ከም ወርቅን ከም ብሩርን ኬጽርዮም* እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ብርግጽ ንየሆዋ ብጽድቂ መባእ ዜቕርቡሉ ህዝቢ ኪዀኑ እዮም። 4 መባእ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ፡ ከም ናይ ቀደም መዓልትታትን ከም ናይ ጥንቲ ዓመታትን ንየሆዋ ባህ ኬብሎ* እዩ።+ 5 “ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን+ ኣንጻር ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን+ ኣንጻር እቶም ንዕሱብን+ ንመበለትን ንዘኽታምን*+ ዚዕምጹን ኣንጻር እቶም ንጓና+ ምሕጋዝ ዚኣብዩን* ፈጣን ምስክር ክኸውን እየ። እዚኣቶምሲ ኣይፈርሁንን” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 6 “ኣነስ የሆዋ እየ፣ ኣይልወጥን እየ።*+ ንስኻትኩም ድማ ደቂ ያእቆብ ኢኹም፣ ገና ኸኣ ኣይተወዳእኩምን። 7 ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ኣትሒዝኩም ካብ ስርዓታተይ ኣልጊስኩም ኢኹም፡ ኣይሓሎኹምዎን እውን።+ ናባይ ተመለሱ፡ ኣነ እውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ “ከመይ ጌርና ኢና ኽንምለስ፧” ትብሉ ኣለኹም። 8 “ሰብዶ ንኣምላኽ ይሰርቆ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ትሰርቁኒ ኣለኹም።” “ከመይ ጌርና ኢና ዝሰረቕናካ፧” ድማ ትብሉ ኣለኹም። “ብዕሽርን ብመባእን እዩ። 9 ንስኻትኩም ትሰርቁኒ ኣለኹም፡ እወ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸምኡ ይገብር ኣሎ እሞ፡ ብርግጽ ርጉማት ኢኹም።* 10 ኣብ ቤተይ ምግቢ ኺህሉስ፡+ ብዘሎ ዕሽር ናብቲ ማዕከን ኣምጽኡ፣+ መሳዅቲ ሰማያት እንተ ዘይከፊተልኩም፡+ ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለኩም ድማ በረኸት እንተ ዘየፍሲሰልኩም* ክትርእዩስ፡ በዚ ግዳ ፈትኑኒ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 11 “ንወሓጢ* ኸኣ ክገንሓልኩም እየ፣ ንሱ ድማ ፍረ ምድርኹም ኣይኬጥፍእን እዩ፣ ኣብ ግራት ዘሎ ተኽሊ ወይንኹም ከኣ ፍረ ዘይብሉ ኣይኪኸውንን እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 12 “ምድሪ ደስታ ኽትኰኑ ኢኹም እሞ፡ ኵሎም ኣህዛብ ሕጉሳት ኪብልኹም እዮም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 13 “ኣንጻረይ እተዘርበ ቓላትኩም በርቲዑኒ” ይብል የሆዋ። “ንሓድሕድና ኸመይ ጌርና ኣንጻርካ ተዛሪብና፧” ትብሉ ኣለኹም።+ 14 “ከምዚ ትብሉ ኣለኹም፦ ‘ንኣምላኽ ምግልጋል ዋጋ የብሉን።+ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ግዴታ ምሕላውናን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ጕሁያት ኴንና ምምልላስናን እንታይ ጠቒሙና፧ 15 ሕጂ ንተዳፈርቲ ሕጉሳት ንብሎም ኣለና። እቶም እከይ ዚገብሩ እውን ዕዉታት እዮም።+ ንኣምላኽ ፈቲኖምዎስ የምልጡ።’” 16 ሽዑ፡ እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ ንሓድሕዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ፡ ተዛራረቡ፣ የሆዋ ኸኣ ኣቕለበን ሰምዐን። ነቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎን ነቶም ንስሙ ዜስተንትኑሉን*+ ድማ መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።+ 17 “በታ ፍሉይ ጥሪተይ*+ ዝገብረላ መዓልቲ፡ ናተይ ኪዀኑ እዮም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “ከምቲ ሰብ ንዜገልግሎ ወዱ ዚርሕርሓሉ፡ ኣነ ኽርሕርሓሎም እየ።+ 18 ንስኻትኩም ከኣ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን እኩይን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዩ ኢኹም።”+ 1 ከቢድ መልእኽቲ፦ ብሚልክያስ* ኣቢሉ ናብ እስራኤል ዝመጸ ቓል የሆዋ፦ 2 “ኣነ ኣፍቂረኩም እየ”+ ይብል የሆዋ። ንስኻትኩም ግና፡ “ከመይ ጌርካ ኢኻ ዘፍቀርካና፧” ትብሉ ኣለኹም። “ኤሳውዶ ሓው ያእቆብ ኣይኰነን፧”+ ይብል የሆዋ። “ግናኸ፡ ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ 3 ንኤሳው ድማ ጸሊአዮ፣+ ንኣኽራኑ ኸኣ ኣባዲመዮ፡+ ርስቱ እውን ንወኻሩ* በረኻ ሓዲገዮ።”+ 4 “ኤዶም፡ ‘ፈሪስና ኣለና፣ ግናኸ፡ ተመሊስና ነቲ ዑናታት ዳግም ክንሃንጾ ኢና’ እኳ እንተ በለ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ንሳቶም ኪሃንጹ፡ ኣነ ግና ከፍርስ እየ፣ “ሃገር እከይ፡” “የሆዋ ንዘለኣለም ዝዀነኖ ህዝቢ” ተባሂሎም እውን ኪጽውዑ እዮም።+ 5 ኣዒንትኹም ኪርእያኦ እየን፣ “የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሃገር እስራኤል ይዕበ” ኸኣ ክትብሉ ኢኹም።’” 6 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ንዓኻትኩም ነቶም ንስመይ እትንዕቁ ዘለኹም፡+ ‘ወዲ ንኣቦኡ፡ ጊልያ ድማ ንጐይታኡ የኽብሮ እዩ።+ ስለዚ፡ ኣነ ኣቦ እንተ ዀይነ፡+ ዚግብኣኒ ኽብሪ ኣበይ ኣሎ፧+ ጐይታ እንተ ዀይነኸ፡ ዚግብኣኒ ፍርሃት* ኣበይ ኣሎ፧’ ይብል ኣሎ። “‘ንስኻትኩም ግና፡ “ንስምካ ኸመይ ጌርና ኢና ዝነዓቕና፧” ትብሉ ኣለኹም።’ 7 “‘ኣብ መሰውእየይ እተበከለ እንጌራ ብምቕራብኩም እዩ።’ “‘“ከመይ ጌርና ኢና በኪልናካ፧” ድማ ትብሉ ኣለኹም።’ “‘“መኣዲ የሆዋ+ ንዑቕ እዩ” ብምባልኩም እዩ። 8 መስዋእቲ ኪኸውን ዕዉር እንስሳ ኸተቕርቡ ኸለኹም ከኣ፡ “ክፉእ ኣይኰነን” ትብሉ። ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ኸተቕርቡ ኸለኹም ድማ፡ “ክፉእ ኣይኰነን” ትብሉ።’”+ “በጃኻ እስከ ንሹምካ ኸተቕርበሉ ፈትን። ብኣኻ ባህ ይብሎዶ፧ ወይስ ኣብኡዶ ሞገስ ትረክብ ኢኻ፧” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 9 “ሕጂ ድማ፡ ኣምላኽ ሞገሱ ምእንቲ ኼርእየና፡ በጃኹም ለምንዎ።* ካብ ኢድኩም ከምዚ ዝበለ መስዋእቲ እናቐረበስ፡ ኣብኡዶ ሞገስ ክትረኽቡ ኢኹም፧” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 10 “ካባኻትኩም ነቲ መዓጹ ኺዓጽዎ ፍቓደኛ ዝዀነኸ መን እዩ፧*+ ከይተኸፍለኩምሲ ኣብ መሰውእየይ እኳ ሓዊ ኣይተንድዱን ኢኹም።+ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “በቲ ኻብ ኢድኩም ዚቐርብ መባእ እውን ባህ ኣይብለንን እዩ።”+ 11 “ከመይሲ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡* ስመይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ።+ ስመይ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ኺዕጠን፡ ንስመይ ጽሩይ መባእ ከም መስዋእቲ ኪቐርብ እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 12 “ንስኻትኩም ግና፡ ‘መኣዲ የሆዋ ተበኪሉ፡ ፍሪኡን ምግቡን ንዑቕ እዩ’ ብምባልኩም+ ተርክስዎ* ኣለኹም።+ 13 ‘ኣየ ኽንደይ የድክም!’ እውን ትብሉ ኣለኹም፣ ብንዕቀት ድማ ኡፍ ትብሉሉ ኣለኹም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “እተሰርቀን ሓንካስን ሕሙምን እንስሳ ኸኣ ተምጽኡ ኣለኹም። እወ፡ ከምዚ ዝበለስ መባእ ጌርኩም ተምጽኡ ኣለኹም! ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፧”+ ይብል የሆዋ። 14 “ኣብ መጓሰኡ ጥዑይ ተባዕታይ እንስሳ እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣበር* ዘለዎ ንየሆዋ ዚመባጽዓሉን ዚስውኣሉን ተንኰለኛ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነስ ዓብዪ ንጉስ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዜፍርህ እዩ።”+ 2 “ኣቱም ካህናት፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ንዓኻትኩም እዩ።+ 2 ምስማዕ እንተ ኣቢኹምን ንስመይ ምኽባር ኣብ ልብኹም እንተ ዘየሕዲርኩምን” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “መርገም ክሰድደልኩም እየ፣+ በረኸትኩም ከኣ ናብ መርገም ክልውጦ እየ።+ እወ፡ ኣብ ልብኹም ስለ ዘየሕደርኩምዎ፡ በረኸትኩም ናብ መርገም ለዊጠዮ ኣለኹ።” 3 “እንሆ፡ ብሰርኹም ንዘራእትኹም ከጥፍኦ፡*+ ኣብ ገጽኩም ከኣ ፈርሲ፡ ፈርሲ በዓላትኩም ክብትነልኩም እየ፣ ምስኡ እውን ክትውሰዱ ኢኹም።* 4 ሽዑ፡ ምስ ሌዊ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኪቕጽልሲ፡ ኣነ እዚ ትእዛዝ እዚ ኸም ዝሃብኩ ኽትፈልጡ ኢኹም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 5 “እቲ ንዕኡ ምስ ፍርሃት* ዝሃብክዎ ምስኡ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ናይ ህይወትን ናይ ሰላምን እዩ ነይሩ። ንሱ ይፈርሃኒ ነይሩ፣ እወ፡ ንስመይ ይፈርሆ ነይሩ። 6 ሕጊ* ሓቂ ኣብ ኣፉ ነይሩ፣+ ኣብ ከናፍሩ እውን ዓመጻ ኣይተረኽበን። ምሳይ ብሰላምን ብቕንዕናን ተመላሊሱ፣+ ንብዙሓት ከኣ ካብ ስሕተት መሊሱ። 7 ከመይሲ፡ ካህን ልኡኽ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝዀነ፡ ከናፍሩ ፍልጠት ኪሕሉ፡ ሰባት እውን ካብ ኣፉ ሕጊ* ኺደልዩ ይግባእ።+ 8 “ንስኻትኩም ግና ካብታ መገዲ ኣልጊስኩም። በቲ ሕጊ* ኸኣ ንብዙሓት ኣዐንቂፍኩምዎም።+ ኪዳን ሌዊ ድማ ኣፍሪስኩም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 9 “ስለዚ፡ መገድታተይ ስለ ዘይሓሎኹም፡ የግዳስ፡ ነቲ ሕጊ ኽትዓይዩሉ ኸለኹም ኣድልዎ ስለ ዝገበርኩም፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንዑቓትን እተዋረዱን ክገብረኩም እየ።”+ 10 “ኵላትናስ ሓደ ኣቦ ደይኰነን ዘሎና፧+ ሓደ ኣምላኽ ደይኰነን ዝፈጠረና፧ ስለምንታይ ደኣ ኺዳን ኣቦታትና ብምርካስ ንሓድሕድና እንጣለም፧+ 11 ይሁዳ ነቲ የሆዋ ዚፈትዎ ቕድስና ኣርኪስዎ፡*+ ጓል ጓና ኣምላኽ ድማ ተመርዕዩ እዩ እሞ፡+ ይሁዳ ጠሊሙ፡ ኣብ እስራኤልን ኣብ የሩሳሌምን ከኣ ፍንፉን ነገር ተገይሩ ኣሎ። 12 የሆዋ ኸምዚ ንዚገብር ሰብ፡ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡* ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት መባእ እኳ እንተ ኣቕረበሉ፡ ካብ ድንኳናት ያእቆብ ኪምንቍሶ እዩ።”+ 13 “መሰውኢ የሆዋ ብንብዓትን ብብኽያትን ብእህህታን ከም ዚኽደን ዚገብር ካልእ* እትገብርዎ ነገር ከኣ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ፡ ንመባእኩም ቈላሕታ ኣይገብረሉን፡ ካብ ኢድኩም ንዚውሃብ እውን ብሞገስ ኣይጥምቶን እዩ።+ 14 ንስኻትኩም ከኣ፡ ‘ስለምንታይ እዩ፧’ ትብሉ ኣለኹም። የሆዋ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ኺዳንካን* ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ።+ 15 ካብቲ መንፈስ ዝተረፈ ስለ ዝነበሮ፡ ከምኡ ዘይገበረ ሓደ ግና ኣሎ። ንሱኸ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ዘርኢ ኣምላኽ። ስለዚ፡ መንፈስኩም ሓልዉ፣ ሓደ እኳ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣይጥለም። 16 ኣነስ ፍትሕ እጸልእ እየ”*+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ “ንኽዳኑ ብዓመጻ ዚኸድን* እውን እጸልእ እየ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “መንፈስኩም ድማ ሓልዉ፡ ኣይትጥለሙ እውን።+ 17 “ንየሆዋ ብቓላትኩም ኣድኪምክምዎ።+ ንስኻትኩም ግና፡ ‘ከመይ ጌርና ኢና ኣድኪምናዮ፧’ ትብሉ ኣለኹም። ‘ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ጽቡቕ እዩ፣ ንሱ እውን ብእኡ ባህ ይብሎ እዩ’ ብምባልኩም+ ወይ ‘ፍትሒ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧’ ብምባልኩም እዩ።” 4 “እንሆ፡ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ፣+ ሽዑ፡ ኵሎም ተዳፈርትን ኵሎም እከይ ዚገብሩን ከም ሓሰር ኪዀኑ እዮም። እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ብርግጽ ክትበልዖም እያ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ሱር ኰነ ጨንፈር እውን ኣይክትሓድገሎምን እያ። 2 ንዓኻትኩም ስመይ ንእተኽብሩ* ግና፡ ጸሓይ ጽድቂ ኣብ ጩራታታ* ምሕዋይ ሒዛ ኽትበርቕ እያ፣ ከም ዝሰብሑ ምራኹት ድማ ክትዕንድሩ ኢኹም።” 3 “በታ ስጕምቲ ዝወስደላ መዓልቲ፡ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ ኣእጋርኩም ከም ሓመድ ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ንእኩያት ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክትረግጽዎም ኢኹም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 4 “ሕጊ ጊልያይ ሙሴ፡ እቲ ዅሉ እስራኤል ኪእዘዞ ኣብ ሆሬብ ዝሃብክዎ ስርዓታትን ፍርድታትን ዘክሩ።+ 5 “እንሆ፡ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ኸይመጸት፡+ ነብዪ ኤልያስ እልእከልኩም ኣለኹ።+ 6 ኣነ መጺአ ንምድሪ ምእንቲ ኸይወቕዓን ከየጥፍኣንሲ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ እውን ናብ ኣቦታት ኪመልስ እዩ።”+ 17 ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንሓዉ ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም።+ 2 ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፣ ገጹ ኸም ጸሓይ በርሀ፡ ክዳኑ እውን ከም ብርሃን ጻዕደወ።+ 3 እንሆ ድማ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም። 4 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትደሊ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ድንኳን ክተክል፣ ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ ድማ ንኤልያስ” በሎ። 5 ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም፣ እንሆ ድማ፡ ካብቲ ደበና፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ።+ ንዕኡ ስምዕዎ”+ ዚብል ድምጺ መጸ። 6 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ሰሚዖም፡ ብገጾም ተደፍኡ፡ ኣዝዮም እውን ፈርሁ። 7 የሱስ ድማ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ “ተንስኡ፡ ኣይትፍርሁ” በሎም። 8 ኣዒንቶም ምስ ኣልዓሉ፡ ብዘይካ የሱስ በይኑ፡ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። 9 ካብቲ ኸረን ኪወርዱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚትንስእ፡ እዚ ዝረኣኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ” ኢሉ ኣዘዞም።+ 10 ግናኸ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ጸሓፍቲ፡ ‘ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ’ ዚብሉ ደኣ ስለምንታይ እዮም፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 11 ንሱ ኸኣ፡ “ኤልያስሲ ኺመጽእ፡ ንዅሉ ድማ ኪመልስ እዩ።+ 12 ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ኤልያስ ድሮ መጺኡ እዩ፣ ዝደለይዎ ዘበለ ደኣ እዮም ገይሮምዎ እምበር፡+ ኣየለለይዎን። ወዲ ሰብ እውን፡ ከምኡ ብኣታቶም መከራ ኺጸግብ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 13 ሽዑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ከም እተዛረቦም ኣስተውዓሉ። 14 ናብቲ ህዝቢ ምስ በጽሑ፡+ ሓደ ሰብ ናብኡ ቐሪቡ፡ ተምበርኪኹ፡ 15 “ጐይታይ፡ ንወደይ ምሓረለይ፣ ሕማም ምንፍርፋር ኣለዎ፡ ሓሚሙ ኸኣ ኣሎ። ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እዩ።+ 16 ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺአዮስ፡ ኬሕውይዎ ኣይከኣሉን” በሎ። 17 የሱስ ድማ፡ “ኣታ ዘይኣምንን ቄናንን ወለዶ፡+ ክሳዕ መዓስ እየ ምሳኻትኩም ክነብር፧ ክሳዕ መዓስከ እየ ኽዕገሰኩም፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ” ኢሉ መለሰ። 18 ድሕርዚ፡ የሱስ ገንሖ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ፣ እቲ ወዲ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዙ ሓወየ።+ 19 ሽዑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም፡ “ስለምንታይ ደኣ ንሕና ኸነውጽኦ ዘይከኣልና፧” በልዎ። 20 ንሱ ኸኣ፡ “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት እያ። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ካብዚ ናብቲ ግዓዝ’ ትብልዎ፡ ይግዕዝ ከኣ፡ ዘይከኣለኩም እውን ኣይህሉን” በሎም።+ 21 *—— 22 ኣብ ገሊላ ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰባት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ፣+ 23 ንሳቶም ከኣ ኪቐትልዎ እዮም፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ” በሎም።+ ብዙሕ ከኣ ጐሃዩ። 24 ኣብ ቅፍርናሆም ምስ በጽሑ፡ እቶም ነናይ ክልተ ድራክማ* ግብሪ ዚእክቡ ሰባት ናብ ጴጥሮስ ቀሪቦም፡ “መምህርኩምሲ ኽልተ ድራክማ ኣይከፍልን ድዩ፧” በልዎ።+ 25 ንሱ ድማ፡ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ግና፡ የሱስ ኣቐዲሙ፡ “ስምኦን፡ እንታይ ይመስለካ፧ ነገስታት ምድሪ፡ ቀረጽ ወይ ግብሪ ኻብ መን እዮም ዚወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧” በሎ። 26 “ካብ ካልኦት” ኢሉ ምስ መለሰ፡ የሱስ፡ “እምበኣርሲ፡ ደቆም ካብ ቀረጽ ናጻ እዮም። 27 ምእንቲ ኸይንዕንቅፎም ግና፡+ ናብ ባሕሪ ኼድካ፡ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፣ ነቲ ቐዳማይ እተታሕዘ ዓሳ ውሰዶ እሞ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ሰልዲ ብሩር* ክትረክብ ኢኻ። ንዕኡ ወሲድካ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሃቦም” በሎ። 18 በታ ሰዓት እቲኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ ቀሪቦም፡ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይዓቢ፧” በልዎ።+ 2 ንቘልዓ ጸዊዑ ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኣቢሉ፡ 3 ከምዚ በሎም፦ “እንተ ዘይተመሊስኩም፡* ከም ቈልዑ እውን እንተ ዘይኴንኩም፡+ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 4 እምበኣር፡ እቲ ኸምዚ ቘልዓ እዚ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ይዓቢ፣+ 5 እቲ ንኸምዚ ቘልዓ ዝኣመሰለ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ኸኣ፡ ንዓይ እውን ይቕበለኒ። 6 እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ንኣሽቱ ዚዕንቅፍ ዘበለ ግና፡ ብኣድጊ ዚዘውር መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኺጥሕል ይሕሾ።+ 7 “ብሰሪ መዐንቀፊታትሲ፡ ወይለኣ ዓለም! መዐንቀፊታት እኳ ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ፣ ነቲ ብሰሩ መዐንቀፊ ዚመጽእ ሰብ ግና ወይለኡ! 8 እምበኣር፡ ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሒታትካ፡* ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ።+ ምስ ክልተ ኢድካ ወይ ምስ ክልተ እግርኻ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ጐናይ ወይ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።+ 9 ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ* እውን፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ምስ ክልተ ዓይንኻ ናብ ገሃነም* ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።+ 10 ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቶም፡ ወትሩ ገጽ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 11 *—— 12 “እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብ 100 ኣባጊዕ እንተ ኣልየናኦ እሞ ሓንቲ ኻባታተን እንተ ጠፊኣ፡+ ነተን 99 ኣብ ኣኽራን ሓዲጉ፡ ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት ኪደሊዶ ኣይከይድን፧+ 13 እንተ ረኺብዋ ድማ፡ ካብቲ በተን 99 ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ዝያዳ ይሕጐስ እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 14 ከምኡ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ፡* ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ።+ 15 “ሓውካ እንተ በዲሉካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም በደሉ ንገሮ።*+ እንተ ሰሚዑካ፡ ንሓውካ ረቢሕካዮ።+ 16 እንተ ዘይሰሚዑካ ግና፡ ኵሉ ነገር ብምስክርነት* ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።+ 17 ንዓታቶም እንተ ዘይሰሚዕዎም ከኣ፡ ንጉባኤ ንገራ። ነታ ጉባኤ እውን እንተ ዘይሰሚዕዋ ግና፡ ከም ካብ ኣህዛብን+ ከም ኣካብ ቀረጽን ቍጸሮ።+ 18 “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ምድሪ እትኣስርዎ ዘበለ፡ ኣብ ሰማይ ድሮ እሱር ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እትፈትሕዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ድሮ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። 19 ደጊመ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዚልምንዎ ዘበለ ጕዳይ እንተ ተሰማሚዖም፡ ሳላ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ኪዀነሎም እዩ።+ 20 ከመይሲ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ፡+ ኣነ ኣብ ማእከሎም እየ።” 21 ሽዑ፡ ጴጥሮስ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በዲሉኒ፡ ክንደይ ሳዕ እየ ኽሓድገሉ፧ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕዶ፧” በሎ። 22 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ክሳዕ 77 ሳዕ* እምበር፡ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ኣይብለካን።+ 23 “ስለዚ፡ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። "24 ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ 10,000 ታለንት* ዕዳ ዘለዎ ኣምጽኡሉ።" 25 ዚኸፍሎ ስለ ዘይነበሮ ግና፡ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ተሸይጡ፡ ኪኽፈል ኣዘዘ።+ 26 እቲ ባርያ ኸኣ ፍግም ኢሉ፡ ‘ተዓገሰኒ፡ ኵሉ ክኸፍለካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ።* 27 እቲ ጐይታ እቲ ባርያ፡ ስለ ዝደንገጸሉ፡ ፈትሖ፡ ዕዳኡ እውን ሰረዘሉ።+ 28 ግናኸ፡ እቲ ባርያ ምስ ወጸ፡ ንሓደ 100 ዲናር* ዚእውዶ ኻብቶም ብጾቱ ባሮት ረኸበ፣ ሒዙ ኸኣ፡ ‘ዝእውደካ ዘበለ ኽፈለኒ’ እናበለ ሓነቖ። 29 እቲ ብጻዩ ባርያ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ‘ተዓገሰኒ፡ ክኸፍለካ እየ’ እናበለ ለመኖ። 30 ንሱ ግና ኣበዮ፣ ከይዱ ድማ፡ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚድርበ ገበሮ። 31 እቶም ብጾቱ ባሮት ነቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ብዙሕ ጐሃዩ፣ ከይዶም ከኣ፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። 32 ሽዑ፡ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ምስ ለመንካኒ፡ ኵሉ ዕዳኻ ሰሪዘልካ። 33 ንስኻኸ ኸምቲ ዝመሓርኩኻ ንብጻይካ ኽትምሕሮዶ ኣይምተገብኣካን፧’ በሎ።+ 34 ጐይታኡ ተቘጢዑ ድማ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ንሓለውቲ እሱራት ኣሕሊፉ ሃቦ። 35 ነፍሲ ወከፍኩም ንሓዉ ኻብ ልቡ ዘይሓድገሉ እንተ ዀይኑ፡+ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።”+ 23 ድሕርዚ፡ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። 3 ስለዚ፡ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን፣ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ዚብልዎ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከም ግብሮም ኣይትግበሩ።+ 4 ከቢድ ጾር ጠሚሮም ኣብ መንኵብ ሰብ ይጽዕኑ፣+ ንሳቶም ባዕላቶም ግና ብኣጻብዖም ኪትንክይዎ ኣይደልዩን።+ 5 ኵሉ ግብሮም፡ ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ይገብሩ፣+ ክታባቶም የግፍሑ፡+ ዘፈር ክዳውንቶም እውን የንውሑ።+ 6 ኣብ ድራር ምርኡይ ቦታ፡ ኣብ ምኵራባት ከኣ ቀዳሞት* መናብር ይደልዩ፣+ 7 ኣብ ዕዳጋ ሰላምታ ኺውሃቦምን መምህር* ተባሂሎም ኪጽውዑን ይደልዩ። 8 ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡+ መምህር* ኣይትበሃሉ፣ ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም። 9 ኣቦኹም እውን ሓደ፡+ ንሱ ድማ ሰማያዊ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። 10 መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ መራሕቲ እውን ኣይትበሃሉ። 11 እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየስ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን።+ 12 ርእሱ ዜልዕል ዘበለ ኺትሕት፡+ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኸኣ ኪልዕል እዩ።+ 13 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰባት ትዓጽዉሎም፣ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣይትኣትዉን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዚደልዩ እውን ኣይትፈቕዱሎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።+ 14 *—— 15 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡+ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ* ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ዕጽፍኹም ወዲ ገሃነም* ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 16 “ኣቱም ‘ብቤተ መቕደስ ዚምሕል፡ ግዴታ የብሉን፣ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ዚምሕል ግና፡ ግዴታ ኣለዎ’+ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ፡+ ወይለኹም። 17 ኣቱም ዓያሹን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዓቢ፡ እቲ ወርቂዶ ወይስ እታ ነቲ ወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ 18 ‘ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ግዴታ የብሉን፣ በቲ ኣብኡ ዘሎ መባእ ዚምሕል ግና፡ ግዴታ ኣለዎ’ እውን ትብሉ። 19 ኣቱም ዕዉራት፡ ኣየናይ ይዓቢ፡ እቲ መባእዶ ወይስ እቲ ነቲ መባእ ዚቕድሶ መሰውኢ፧ 20 እምበኣር፡ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎን ይምሕል ኣሎ፣ 21 እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል ኣሎ፣+ 22 እቲ ብሰማይ ዚምሕል ድማ፡ ብዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን ይምሕል ኣሎ። 23 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ናዕናዕን ካብ ሽላንን ካብ ካሙንን ዕሽር ትህቡ፣+ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ዝኸበደ ነገር፡ ማለት ፍትሕን+ ምሕረትን+ ተኣማንነትን ግና ሸለል ትብሉ ኣለኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ኽትገብሩ ይግባእ፡ እቲ እውን ሸለል ክትብሉ ኣይግባእን።+ 24 ኣቱም ካብ መስተኹም ቃርማ እተጻርዩ፡+ ገመል ከኣ እትውሕጡ፡+ ዕዉራት መራሕቲ!+ 25 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫን ጻሕልን ትሓጽቡ፣+ ውሽጡ ግና ስስዐን*+ ህርፋንን+ ዝመልአ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። 26 ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ እቲ ዋንጫን እቲ ጻሕልን ዝባኑ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ውሽጡ ኣጽርዮ። 27 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡+ ብወጻኢ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርአ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ኵሉ ርኽሰትን ዝመልአ ብኖራ እተለቕለቐ መቓብራት+ ትመስሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 28 ንስኻትኩም እውን ከምኡ ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን ትመስሉ፣ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ጥሕሰት ሕግን ዝመላእኩም ኢኹም።+ 29 “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡+ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃን እውን ትስልሙ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።+ 30 ‘ብዘመን ኣቦታትና እንተ ንነብር ኔርና፡ ኣብ ምፍሳስ ደም ነብያት ኣይምተኻፈልናን’ ድማ ትብሉ። 31 እምበኣር፡ ደቂ እቶም ንነብያት ዝቐተሉ ምዃንኩም፡ ባዕላትኩም ትምስክሩ ኣለኹም።+ 32 ንስኻትኩም እውን መስፈር ኣቦታትኩም ምልኡ። 33 “ኣቱም ኣትማን፡ ውሉዳት ኣፍዑት፡*+ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም* ከተምልጡ፧+ 34 ስለዚ ድማ፡ ነብያትን+ ጥበበኛታትን መምህራንን+ እልእከልኩም ኣለኹ። ንገሊኣቶም ክትቀትልዎምን+ ክትሰቕልዎምን፡ ንገሊኣቶም ከኣ ኣብ ምኵራባትኩም ክትገርፍዎምን+ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ኽትሰጕዎምን+ ኢኹም። 35 ስለዚ፡ ካብ ደም ኣቤል+ እቲ ጻድቕ ጀሚሩ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣብ ልዕሌኹም ኪበጽሕ እዩ።+ 36 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኺበጽሖ እዩ። 37 “የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትልን ናብኣ ንእተላእኩ ብዳርባ እምኒ እትጭፍጭፍን፡+ ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕ ኰን እየ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣቢኹም።+ 38 እንሆ፡ ቤትኩም ክትጥንጠነልኩም* እያ።+ 39 እብለኩም ኣለኹ፡ ‘ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ከቶ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።”+ 19 የሱስ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ወሰናስን ይሁዳ መጸ።+ 2 ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰዓቦ፣ ንሱ እውን ኣብኡ ኣሕወዮም። 3 ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ ናብኡ መጺኦም፡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 4 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮምዶ ኣየንበብኩምን፧+ 5 ‘ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ’ ኸም ዝበለዶኸ ኣየንበብኩምን፧+ 6 ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ መለሰሎም።+ 7 ንሳቶም ከኣ፡ “ስለምንታይ ደኣ እዩ ሙሴ ጽሑፍ መፍትሒኣ ሂብካ ኽትፍታሕ ዝኣዘዘ፧” በልዎ።+ 8 ንሱ ድማ፡ “ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ ኣንስትኹም ክትፈትሑ ዝፈቐደልኩም፣+ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን።+ 9 ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና* ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” በሎም።+ 10 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ጕዳይ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ዘይምምርዓው ይሓይሽ” በልዎ። 11 ንሱ ግና፡ “ነዚ ነገር እዚ፡ ብዘይካ እቶም እተዋህቦም፡ ኵሉ ኣይኰነን ዚቕበሎ።+ 12 ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ ኣለዉ፣ ብሰባት እተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ፣ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ። ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በሎም።+ 13 ድሕርዚ፡ ኢዱ ምእንቲ ኼንብረሎምን ምእንቲ ኺጽልየሎምን፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ገንሕዎም።+ 14 የሱስ ግና፡ “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ሕደግዎም፡ ናባይ ከይመጹ ድማ ኣይትኸልክልዎም” በለ።+ 15 ኣእዳዉ እውን ኣንበረሎም፣ ካብኡ ኸኣ ከደ። 16 እንሆ ድማ፡ ሓደ ናብኡ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ፡ እንታይ ሕያውነት* ክገብር ኣሎኒ፧” በሎ።+ 17 ንሱ ኸኣ፡ “ብዛዕባ ሕያውነት* ስለምንታይ እትሓትተኒ፧ ሓደ ጥራይ እዩ ሕያዋይ።*+ ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ግና፡ ብቐጻሊ ትእዛዛት ሓሉ” በሎ።+ 18 ንሱ ድማ፡ “ኣየኖት፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣይትቕተል፡+ ኣይትዘሙ፡+ ኣይትስረቕ፡+ ብሓሶት ኣይትመስክር፡+ 19 ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡+ ብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።+ 20 እቲ ጐበዝ፡ “ነዚ ዅሉስ እሕልዎ ኣለኹ፣ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ፧” በሎ። 21 የሱስ ድማ፡ “ፍጹም* ክትከውን እንተ ደሊኻስ፡ ኪድ፡ ንብረትካ ሼጥካ፡ ንድኻታት ሃብ፣ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣+ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+ 22 እቲ ጐበዝ ነዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ ጕህዩ ኸደ።+ 23 የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ ጭንቂ ኸም ዚዀኖ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 24 ደጊመ እብለኩም ኣለኹ፡ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” በሎም።+ 25 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ “መን ኰን ኪድሕን ይኽእል፧” እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ።+ 26 የሱስ ከኣ እናጠመቶም፡ “እዚ ብሰባት ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎም።+ 27 ሽዑ፡ ጴጥሮስ መሊሱ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ፣ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” በሎ።+ 28 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ብዳግመ ፍጥረት፡ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠላ እዋን፡ ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ እውን ኣብ 12 ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ን12 ነገዳት እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም።+ 29 ምእንቲ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዅሉ፡ 100 ዕጽፊ ኺረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኪወርስ እዩ።+ 30 “ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።+ 20 “መንግስተ ሰማያት፡ ንኣታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ኪቘጽር ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል።+ 2 ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ብሓደ ዲናር* ምስ ተሰማምዐ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። 3 ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት* ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ስራሕ ዘይብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ፣ 4 ንዓታቶም ከኣ፡ ‘ንስኻትኩም እውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ፡ ዚግባእ ዘበለ ኽህበኩም እየ’ በሎም። 5 ንሳቶም ድማ ከዱ። ከም ብሓድሽ፡ ኣብ ሻድሸይቲ ሰዓትን* ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓትን* ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ። 6 ኣብ መበል 11 ሰዓት* ኣቢሉ ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፣ ‘ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ስለምንታይ ኣብዚ ደው እትብሉ፧’ በሎም። 7 ንሳቶም ከኣ፡ ‘ዋላ ሓደ ስለ ዘይቈጸረና’ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻትኩም እውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ’ በሎም። 8 “ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ዝመዘዞ ሰብ፡ ‘ነቶም ሰብ ውዕለት ጸዊዕካ፡ ካብቶም ዳሕሮት ጀሚርካ ኽሳዕ እቶም ቀዳሞት ውዕለቶም ሃቦም’ በሎ።+ 9 እቶም ሰብ መበል 11 ሰዓት ምስ መጹ፡ ነፍሲ ወከፎም ደዲናር* ተቐበሉ። 10 ስለዚ፡ እቶም ቀዳሞት ምስ መጹ፡ ዝያዳ ዚቕበሉ መሰሎም። ግናኸ፡ ንሳቶም እውን ደዲናር* ተቐበሉ። 11 ምስ ተቐበሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብዓል ቤት ኣጕረምረሙ፣ 12 ‘እዞም ዳሕሮት ሓንቲ ሰዓት እዮም ሰሪሖም፣ ምሳና ድኻም መዓልትን ሃሩርን ምስ ዝጾርና ግና ኣደላዲልካዮም’ ድማ በልዎ። 13 ንሱ ግና ንሓደ ኻባታቶም፡ ‘ዓርከይ፡ ኣይዓመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ* ኣይተሰማማዕካንን፧+ 14 ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ክንዲ እቲ ናትካ ኽህቦ እደሊ እየ። 15 ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብር መሰልዶ የብለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ* ስለ ዝዀንኩዶ ዓይንኻ ቐናእ* እያ፧’ ኢሉ መለሰሉ።+ 16 በዚ ኸምዚ፡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም፣ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም።”+ 17 የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ከሎ፡ ነቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ወሲዱ፡ ኣብ መገዲ ኸምዚ በሎም፦+ 18 “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ። ንሳቶም እውን ንሞት ኪፈርድዎ እዮም።+ 19 ኬላግጹሉን ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን ኢሎም ከኣ ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፣+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ።”+ 20 ድሕርዚ፡ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ+ ምስ ደቃ ናብኡ ቐረበት እሞ፡ እናሰገደትሉ* ሓደ ነገር ለመነቶ።+ 21 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ትደልዪ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እዞም ክልተ ደቀይ፡ ኣብ መንግስትኻ፡ ሓደ ኣብ የማንካ፡ ሓደ ኣብ ጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል” ኢላ መለሰትሉ።+ 22 የሱስ ግና መሊሱ፡ “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ኽሰትያ ኢለ ዘለኹ ጽዋእ ክትሰትዩ ትኽእሉዶ፧” በለ።+ ንሳቶም ከኣ፡ “ንኽእል” በልዎ። 23 ንሱ ድማ፡ “ጽዋአይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፣+ ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና፡ ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም።+ 24 እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተቘጥዑ።+ 25 የሱስ ግና ናብኡ ጸዊዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ንኣህዛብ፡ ኣሕሉቖም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።+ 26 ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን፣+ የግዳስ፡ ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን፣+ 27 ካባኻትኩም ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ድማ፡ ባርያኹም ይኹን።+ 28 ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ኬገልግልን+ ህይወቱ* ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን።”+ 29 ካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። 30 እንሆ ድማ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኽልተ ዕዉራት፡ የሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ “ጐይታይ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና!” እናበሉ ጨርሑ።+ 31 እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ ኪብሉ ገንሕዎም፣ ንሳቶም ግና፡ “ጐይታይ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና!” እናበሉ ኣዝዮም ጨርሑ። 32 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸውዖም፡ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ፧” ድማ በሎም። 33 ንሳቶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣዒንትና ኪኽፈታ” በልዎ። 34 የሱስ ከኣ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፣+ ብኡብኡ እውን ረኣዩ፡ ሰዓብዎ ድማ። 3 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ዮሃንስ+ መጥምቕ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ፣+ 2 “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ድማ በለ።+ 3 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡+ “ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ’”+ ተባሂሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ። 4 ዮሃንስ ድማ ጸጕሪ ገመል ይኽደን፡ ዕጣቕ ቈርበት ከኣ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ ነበረ።+ ምግቡ ድማ ኣንበጣን መዓር በረኻን ነበረ።+ 5 ሽዑ፡ ካብ የሩሳሌምን ካብ ኵሉ ይሁዳን ካብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስን ናብኡ ወጹ፣+ 6 ሓጢኣቶም እናተናዘዙ ድማ፡ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ+ ብእኡ ተጠምቁ።* 7 ብዙሓት ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሰዱቃውያንን+ ናብቲ ጥምቀት ኪመጹ ምስ ረኣየ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡*+ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸተምልጡ ደኣ መን ኣጠንቂቕኩም፧+ 8 እምበኣር፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ፍረዩ፣ 9 ከምቲ ብልብኹም፡ ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና’+ እትብልዎ ኣይምሰልኩም። ኣምላኽሲ ንኣብርሃም፡ ካብዚ ኣእማን እዚ ውሉዳት ኬተንስኣሉ ይኽእል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 10 ድሮ እኳ ፋስ ኣብ ሱር እቲ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። እምበኣር፡ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።+ 11 ኣነስ ስለ ንስሓኹም ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፣+ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና፡ ካባይ ይብርትዕ እዩ፣ ኣነስ ኣሳእኑ ኸውጽእ እኳ ኣይበቅዕን እየ።+ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን+ ብሓውን+ ኬጥምቐኩም እዩ። 12 መዝረዊኡ ኣብ ኢዱ እዩ፣ ንዓውዱ እውን ኣጸቢቑ ኼጽርዮ እዩ፣ ንስርናዩ ኣብ ማዕከኑ ኺእክብ፡ ነቲ ብቝቡቝ ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።”+ 13 ሽዑ፡ የሱስ ብዮሃንስ ምእንቲ ኺጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ።+ 14 ዮሃንስ ግና፡ “ኣነ ብኣኻ ኽጥመቕ የድልየኒ እምበር፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ኣበዮ። 15 የሱስ ከኣ፡ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጅስ ይኹን ደኣ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ፡ ኣይኣበዮን። 16 የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ፣ እንሆ፡ ሰማያት ተኸፍተ፣+ መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ ኸኣ፡ ኣብኡ ኺዓርፍ ከሎ ረኣየ።+ 17 እንሆ ድማ፡ ካብ ሰማያት፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ”+ ዚብል ድምጺ መጸ።+ 24 የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። 2 ንሱ ድማ፡ “እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣለኹም፧ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብዚ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ኸቶ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎም።+ 3 ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሕት ኢሎም፡ “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን*+ መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ* እንታይ እዩ፧” እናበሉ ናብኡ ቐረቡ።+ 4 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ፣+ 5 ከመይሲ፡ ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም፣ ንብዙሓት እውን ኬስሕቱ እዮም።+ 6 ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፣ ኣይትሰምብዱ። እዝስ ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።+ 7 “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣+ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን+ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።+ 8 እዚ ዅሉ፡ መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9 “ሽዑ፡ ንጸበባ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን+ ኪቐትሉኹምን እዮም፣+ ስለ ስመይ ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም።+ 10 ብዙሓት ድማ ኪዕንቀፉን ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሃቡን ንሓድሕዶም ኪጻልኡን እዮም። 11 ብዙሓት ናይ ሓሶት ነብያት ከኣ ኪትንስኡን ንብዙሓት እውን ኬስሕቱን እዮም፣+ 12 ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13 እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ።+ 14 እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣+ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ። 15 “እምበኣር፡ እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ቅዱስ ቦታ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡+ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) 16 ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።+ 17 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ፣ 18 ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን! 20 ህድማኹም ብኽረምቲ ወይስ ብሰንበት ከይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣ 21 ሽዑስ፡ ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን+ ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ።+ 22 እተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘይሓጽራስ፡ ስጋ ዘበለ ኣይምደሓነን፣ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፡ እተን መዓልትታት እቲአን ኪሓጽራ እየን።+ 23 “ሽዑ፡ ዝዀነ ሰብ፡ ‘እንሆ፡ ክርስቶስ ኣብዚ’+ ወይ ‘ኣብቲ’ እንተ ኢሉኩም፡ ኣይትእመኑ።+ 24 ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን+ ኪትንስኡ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ምእንቲ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ኪገብሩ እዮም።+ 25 እንሆ፡ ኣጠንቂቐኩም ኣለኹ። 26 እምበኣር፡ ‘እንሆ፡ ኣብ በረኻ እዩ’ እንተ ኢሎምኹም፡ ኣይትውጽኡ፣ ‘እንሆ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኽፍልታት ቤት እዩ’ እንተ ኢሎምኹም፡ ኣይትእመኑ።+ 27 በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳብ ምዕራብ ከም ዜብርህ፡ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን* ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 28 ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ንስርታት ኪእከቡ እዮም።+ 29 “ደድሕሪ ጸበባ እተን መዓልትታት እቲአን፡ ጸሓይ ክትጽልምት፡+ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያት እውን ኪናወጹ እዮም።+ 30 ሽዑ፡ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርአ፡ ኵሎም ነገዳት ምድሪ ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም፣+ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።+ 31 ንሱ ድማ ንመላእኽቱ ብዓብዪ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ንሳቶም እውን ንሕሩያቱ ኻብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ክሳብ እቲ ኻልእ ወሰን ኪእክብዎም እዮም።+ 32 “ካብ ኦም በለስ፡* እዚ ምሳሌ እዚ ተምሃሩ፦ ጨናፍራ ምስ ጠጥዐን ምስ ለምለመን፡ ሓጋይ* ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።+ 33 ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ረኣኹም፡ ንሱ ናብ ኣፍ ደገ ምቕራቡ ፍለጡ።+ 34 እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 35 ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 36 “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡+ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።+ 37 ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡+ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን* ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 38 ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ መዓልትታትሲ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ፣+ 39 ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን፣+ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 40 ሽዑ፡ ክልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፣ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። 41 ክልተ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፣ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።+ 42 እምበኣር፡ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።+ 43 “ግናኸ፡ ሓደ ነገር ፍለጡ፦ ብዓል ቤት፡ ሰራቒ ኣበየናይ እዋን ሓለዋ* ኸም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጥ ነይሩ፡+ ምነቕሐ፡ ሰራቒ ናብ ቤቱ ኺኣቱ እውን ኣይምፈቐደን።+ 44 ስለዚ፡ ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ።+ 45 “እቲ ጐይታኡ ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን* ባርያ መን ኰን እዩ፧+ 46 እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምኡ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ሕጉስ እዩ!+ 47 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኺሸሞ እዩ። 48 “እቲ እኩይ ባርያ ግና ብልቡ፡ ‘ጐይታይ ይድንጒ እዩ’ እንተ ኢሉ፡+ 49 ነቶም ብጾቱ ባሮት ኪወቕዖም እንተ ጀሚሩ፡ ምስ ዝወጸሎም ሰኽራማት ከኣ ኪበልዕን ኪሰትን እንተ ጀሚሩ፡ 50 ጐይታ እቲ ባርያ፡ ንሱ ብዘይጽበያ መዓልትን ብዘይፈልጣ ሰዓትን ኪመጽእ እዩ፣+ 51 ብዜስካሕክሕ መገዲ ኪቐጽዖ፡* ግዲኡ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ እዩ። ኣብኡ ኸኣ ኪበክን ኣስናኑ ኺሕርቅምን እዩ።+ 7 “ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ፣+ 2 ብእትፈርድዎ ፍርድስ ኪፍረደኩም፡+ ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ድማ ኪስፈረልኩም እዩ።+ 3 ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ዘየስተብሃልካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፧+ 4 ወይስ ኣብ ዓይንኻ ሰርወ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ‘ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካ ሕደገኒ’ እትብሎ፧ 5 ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ነቲ ሰርወ ኣውጽኣዮ፣ ድሕሪኡ፡ ካብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ። 6 “ቅዱስ ዘበለ ንኣኽላባት ኣይትሃቡ። ብኣእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም፡ ሉልኩም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።+ 7 “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣+ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ።+ 8 ዚልምን ዘበለስ ይቕበል፡+ ዚደሊ ዘበለ ይረክብ፡ ዚዅሕኵሕ ዘበለ እውን ይኽፈተሉ እዩ። 9 ካባኻትኩምከ ወዱ እንጌራ እንተ ለሚንዎ፡ እምኒ ዚህቦ መን እዩ፧ 10 ዓሳ እንተ ለሚንዎኸ፡ ተመንዶ ይህቦ፧ 11 እምበኣር፡ ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም!+ 12 “እምበኣር፡ ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡+ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።+ 13 “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ፣+ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገስ ገፋሕ፡ መገዳ እውን ርሕብቲ እያ፣ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም፣ 14 እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም።+ 15 “ካብቶም ብውሽጦም ሃርጓማት ተዃሉ ኽነሶም፡+ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም ዚመጹኹም+ ናይ ሓሶት ነብያት ተጠንቀቑ።+ 16 ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ፡ ካብ ተዀርባዶኸ በለስ* ይቕንጠብ እዩ፧+ 17 ከምኡ ድማ፡ ጽቡቕ ኦም ዘበለ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ ሕማቕ ኦም ዘበለ ኸኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ።+ 18 ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኺፈሪ፡ ሕማቕ ኦም ከኣ ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይክእልን እዩ።+ 19 ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።+ 20 እምበኣር፡ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።+ 21 “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ።+ 22 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡+ ብስምካዶ ኣይተነበናን፧ ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውጻእናን፧ ብስምካዶኸ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበርናን፧’ ኪብሉኒ እዮም።+ 23 ኣነ ግና፡ ‘ኣቱም ጠሓስቲ ሕጊ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን! ካባይ ርሓቑ!’ ክብሎም እየ።+ 24 “እምበኣር፡ ነዚ ቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሃነጸ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ይመስል።+ 25 ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ንፋስ እውን ነፈሰ፣ ነታ ቤት ከኣ ደፍኣ፣ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ግና፡ ኣይወደቐትን። 26 ነዚ ቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ፡ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሃነጸ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል።+ 27 ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ንፋስ እውን ነፈሰ፣ ነታ ቤት ከኣ ደፍኣ+ እሞ ወደቐት፣ ኣወዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።” 28 የሱስ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ፣+ 29 ከመይሲ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ።+ 12 በቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ብሰንበት፡ ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ስለ ዝጠመዩ፡ ሰዊት ቀንጢቦም ኪበልዑ ጀመሩ።+ 2 ፈሪሳውያን ነዚ ርእዮም፡ “እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ኪግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።+ 3 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ዳዊት፡ ንሱን ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ እንታይ ከም ዝገበረዶ ኣየንበብኩምን፧+ 4 ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ካህናት ጥራይ+ ደኣ እምበር፡ ንሱ ዀነ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኺበልዕዎ ዘይተፈቕደሎም እንጌራ መባእ*+ ከም ዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን፧ 5 ወይስ ብሰናብቲ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚዓይዩ ኻህናት ንሰንበት ከም ዚስዕርዋን በደል ከም ዘይኰኖምንሲ፡ ኣብ ሕጊዶ ኣየንበብኩምን፧+ 6 ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 7 ግናኸ፡ ‘መስዋእቲ ዘይኰነስ፡+ ምሕረት እየ ዝደሊ’+ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ነዞም ዘይበደሉ ኣይምዀነንኩምዎምን ኔርኩም። 8 ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ።”+ 9 ካብኡ ምስ ሓለፈ፡ ናብ ምኵራቦም ከደ። 10 እንሆ ድማ፡ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ።+ ምእንቲ ኪኸስስዎ ኸኣ፡ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ተፈቒዱ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 11 ንሱ ድማ፡ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፡ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወዲቓ፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን ሰብ ኣሎዶ፧+ 12 ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ኣዝዩ ኣይበልጽን! እምበኣር፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ተፈቒዱ እዩ” በሎም። 13 ሽዑ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ዘርግሓ፣ ሓውያ እውን ከምታ ኻልአይታ ዀነት። 14 እቶም ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ ውዲት ኣለሙ። 15 የሱስ ነዚ ፈሊጡ፡ ካብኡ ኣልገሰ። ብዙሓት ከኣ ሰዓብዎ፣+ ንዅላቶም እውን ኣሕወዮም። 16 ከየግህድዎ ግና ብጽኑዕ ኣዘዞም።+ 17 እዚ ኸኣ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዚስዕብ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ፦ 18 “እንሆ፡ ዝሓረኽዎ ጊልያይ፡+ ዝሰምሮ*+ ፍቑረይ! መንፈሰይ ኣብኡ ኸሕድር እየ፣+ ንሱ ድማ ንኣህዛብ ፍትሒ ኼነጽረሎም እዩ። 19 ኣይኪከራኸርን፡+ ኣይኪጭድርን፡ ኣብ ጐደናታት እውን ብዋላ ሓደ ድምጹ ኣይኪስማዕን እዩ። 20 ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ።+ 21 እወ፡ ኣህዛብ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።”+ 22 ድሕርዚ፡ ጋኔን ዝሓደሮ ዕዉርን ዓባስን ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮ፣ እቲ ዓባስ ከኣ ኪዛረብን ኪርእን ከኣለ። 23 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኣስተንከሩ፣ “እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን ይኸውን፧” ከኣ በሉ። 24 እቶም ፈሪሳውያን ግና ነዚ ምስ ሰምዑ፡ “እዚ፡ ብዘይካ ብብኤል-ዜቡል* እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ንኣጋንንቲ ኣየውጽኦምን እዩ” በሉ።+ 25 ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፡ ከምዚ በሎም፦ “ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ መንግስቲ ትጠፍእ፣ ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ ኸተማ ወይ ቤት እውን ኣይትቐውምን። 26 ከምኡ ድማ፡ ሰይጣን ንሰይጣን ዜውጽኦ እንተ ዀይኑ፡ ንሓድሕዱ ተኸፋፊሉ ማለት እዩ፣ መንግስቱ ደኣ እሞ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 27 ብተወሳኺ፡ ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም እንተ ዀይነ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን እዮም ዜውጽእዎም፧ ስለዚ ኸኣ እዮም ንሳቶም ፈራዶኹም ዚዀኑ። 28 ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም እንተ ዀይነ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ደበኽ ኢላትኩም ኣላ።+ 29 ወይስ ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቕሑኡ ኺምንዝዕ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ድሕሪኡ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። 30 እቲ ምሳይ ዘይኰነ ይጻረረኒ፣ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ።+ 31 “ስለዚ እብለኩም ኣለኹ፡ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ንሰብ ኪሕደገሉ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ዚዝረብ ጸርፊ ግና ኣይኪሕደግን እዩ።+ 32 ንኣብነት፡ ኣንጻር ወዲ ሰብ ገለ ቓል ዚዛረብ ዘበለ ኺሕደገሉ እዩ፣+ ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ዚዛረብ ዘበለ ግና፡ ኣብዚ ስርዓት* ኰነ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ኰነ፡ ኣይኪሕደገሉን እዩ።+ 33 “ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ወይ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ ይኸውን፣ ወይ ነቲ ኦም ሕማቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን።+ 34 ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡*+ እኩያት ክነስኹም፡ ከመይ ኢልኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ ኣፍሲ ኻብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ።+ 35 ሕያዋይ ሰብ ካብ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ጽቡቕ የውጽእ፣ እኩይ ሰብ ግና፡ ካብ እኩይ መዝገቡ፡ እከይ የውጽእ።+ 36 ሰባት ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዚዛረብዎ ዘይጠቅም ዘረባ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡+ እብለኩም ኣለኹ፣ 37 ከመይሲ፡ ብቓልካ ኢኻ እትጸድቕ፡* ብቓልካ ኢኻ እውን እትዅነን።” 38 ሽዑ፡ ገለ ኻብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ “መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ ኣለና” ኢሎም መለሱሉ።+ 39 ንሱ ግና ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እኩይን ዘማውን* ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፣ ብዘይካ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ግና፡ ትእምርቲ ኣይኪውሃቦን እዩ።+ 40 ከምቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ዝገበረ፡+ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።+ 41 ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡+ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ።+ 42 ንግስቲ ደቡብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ኢላ ኻብ ወሰናት ምድሪ መጺኣ ነይራ እያ እሞ፡+ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ።+ 43 “ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ መዕረፊ ደልዩ ብኣጻምእ ይሓልፍ፡ ኣይረክብን ከኣ።+ 44 ሽዑ፡ ‘ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል፣ ናብኣ ምስ በጽሐ ድማ፡ ጥራያን ተዀስቲራን ተሰሊማን ይረኽባ። 45 ድሕሪኡ፡ ከይዱ ኻብኡ ዝኸፍኡ ሸውዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ይማላእ እሞ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይነብሩ፣ ነቲ ሰብ እቲ ኸኣ፡ ካብ መጀመርታኡ፡ መወዳእታኡ ይገድዶ።+ ነዚ እኩይ ወለዶ እዚ እውን ከምኡ ኪዀኖ እዩ።” 46 ገና ነቶም ህዝቢ ኺዛረቦም ከሎ፡ እንሆ፡ ኣዲኡን ኣሕዋቱን+ ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ነበሩ።+ 47 ሓደ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ” በሎ። 48 ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ “ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይከ መን እዮም፧” ኢሉ መለሰሉ። 49 ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ፡ እነዉ።+ 50 ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለስ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ።”+ 1 መጽሓፍ ታሪኽ* የሱስ ክርስቶስ* ወዲ ዳዊት፡+ ወዲ ኣብርሃም፦+ 2 ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፣+ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፣+ያእቆብ ንይሁዳን+ ንኣሕዋቱን ወለደ፣ 3 ይሁዳ ኻብ ታማር ንፋሬስን ንዜራሕን+ ወለደ፣ፋሬስ ንሔጽሮን+ ወለደ፣ሔጽሮን ንራም+ ወለደ፣ 4 ራም ንኣሚናዳብ ወለደ፣ኣሚናዳብ ንነኣሶን+ ወለደ፣ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፣ 5 ሰልሞን ካብ ረሃብ+ ንቦኣዝ ወለደ፣ቦኣዝ ካብ ሩት+ ንዖቤድ ወለደ፣ዖቤድ ንእሴይ ወለደ፣+ 6 እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ።+ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ፣+ 7 ሰሎሞን ንሮብዓም ወለደ፣+ሮብዓም ንኣብያ ወለደ፣ኣብያ ንኣሳ ወለደ፣+ 8 ኣሳ ንዮሳፋጥ ወለደ፣+ዮሳፋጥ ንዮራም ወለደ፣+ዮራም ንዑዝያ ወለደ፣ 9 ዑዝያ ንዮታም ወለደ፣+ዮታም ንኣሓዝ ወለደ፣+ኣሓዝ ንህዝቅያስ ወለደ፣+ 10 ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፣+ምናሴ ንኣሞን ወለደ፣+ኣሞን ንዮስያስ ወለደ፣+ 11 ዮስያስ+ ብግዜ ምርኮ ባቢሎን+ ንየኮንያን+ ንኣሕዋቱን ወለደ። 12 ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ የኮንያ ንሸኣልቲኤል ወለደ፣ሸኣልቲኤል ንዘሩባቤል ወለደ፣+ 13 ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፣ኣብዩድ ንኤልያቂም ወለደ፣ኤልያቂም ንኣዞር ወለደ፣ 14 ኣዞር ንጻዶቅ ወለደ፣ጻዶቅ ንኣኪም ወለደ፣ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፣ 15 ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፣ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፣ማታን ንያእቆብ ወለደ፣ 16 ያእቆብ ንዮሴፍ ሰብኣይ ማርያም ወለደ፣ ካብኣ እቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስ ተወልደ።+ 17 እምበኣር፡ ኵሉ እቲ ወለዶታት፡ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት 14 ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን 14 ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ከኣ 14 ወለዶ እዩ። 18 ልደት የሱስ ክርስቶስ ግና፡ ከምዚ እዩ ነይሩ። ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፡ ከይተኣታተዉ ኸለዉ፡ ብመንፈስ ቅዱስ*+ ጠኒሳ ተረኽበት። 19 ሕጹያ* ዮሴፍ ጻድቕ ስለ ዝነበረን ኬቃልዓ ስለ ዘይደለየን ግና፡ ብሕቡእ ኪፈትሓ ሓሰበ።+ 20 ነዚ ምስ ሓሰበ፡ እንሆ፡ መልኣኽ የሆዋ* ተራእዮ፣ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ ሕጽይትኻ* ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡+ ናብ ቤትካ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። 21 ወዲ ኽትወልድ እያ፣ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡+ ስሙ የሱስ*+ ክትብሎ ኢኻ።” 22 እዚ ዅሉ፡ እቲ የሆዋ* ብነብይኡ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ እተዛረቦ ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ፦ 23 “እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ እውን ክትወልድ እያ፣ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል+ ኪብልዎ እዮም፡” ትርጉሙ ድማ፡ “ኣምላኽ ምሳና እዩ”+ ማለት እዩ። 24 ድሕሪኡ፡ ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ፡ ከምቲ መልኣኽ የሆዋ* ዝኣዘዞ ገበረ፣ ንሕጽይቱ እውን ናብ ቤቱ ወሰዳ። 25 ወዲ ኽሳዕ እትወልድ ግና፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን፣+ ስሙ ድማ የሱስ ኢሉ ሰመዮ።+ 28 ድሕሪ ሰንበት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ኪወግሕ ከሎ፡ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይቲ ማርያምን ነቲ መቓብር ኪርእያ መጻ።+ 2 እንሆ ድማ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ መልኣኽ የሆዋስ* ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ መጺኡ ነቲ እምኒ ኣንከባሊልዎ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐሚጡ ነበረ።+ 3 ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም ውርጪ ነበረ።+ 4 እቶም ሓለውቲ ንዕኡ ፈሪሆም፡ ራዕራዕ በሉ፡ ከም ምዉታት እውን ኰኑ። 5 እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ፡ “ነቲ እተሰቕለ የሱስ ትደልያኦ ኸም ዘለኽን እፈልጥ ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ።+ 6 ከምቲ ዝበሎ ተንሲኡ እዩ እሞ፡+ ኣብዚ የሎን። ነታ ተነቢሩላ ዝነበረ ቦታ ንዕነ ርኣያኣ። 7 ቀልጢፍክን ኬድክን ከኣ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም፣ እንሆ ድማ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ።+ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነጊረክን ኣለኹ” በለን።+ 8 ካብቲ መቓብር ብፍርህን ብዓብዪ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ድማ ጐየያ።+ 9 እንሆ ድማ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ “ሰላም!” ከኣ በለን። ንሳተን ድማ ቀሪበን እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።* 10 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣይትፍርሃ! ኪዳ፡ ንኣሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፣ ኣብኡ ኸኣ ኪርእዩኒ እዮም” በለን። 11 ኪኸዳ ኸለዋ ድማ፡ ገለ ኻብቶም ሓለውቲ+ ናብ ከተማ ኣትዮም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። 12 ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ምስ ተማኸሩ ኸኣ፡ ነቶም ወተሃደራት ብዙሕ ብሩር ሂቦም፡ 13 “‘ደቂስና ኸለና፡ ብለይቲ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ።+ 14 እዚ ናብ እዝኒ እቲ ሹም እንተ በጺሑ ኸኣ፡ ንሕና ኸነረድኦ* ኢና እሞ፡ በዚ ኣይትጨነቑ” በልዎም። 15 ነቲ ብሩር ወሲዶም ከኣ፡ ከምቲ ዝበልዎም ገበሩ፣ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ። 16 እቶም 11 ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ናብቲ የሱስ ኪራኸቡሉ ዝበሎም+ ኣብ ገሊላ+ ዚርከብ ከረን ከዱ፣ 17 ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ሰገዱሉ፣* ገሊኣቶም ግና ተጠራጠሩ። 18 የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ።+ 19 ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም+ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣+ 20 ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም።+ እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት* ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”+ 8 ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። 2 እንሆ ድማ፡ ሓደ ድዉይ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ።*+ 3 ንሱ ኸኣ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ።+ ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ደዌኡ ነጽሀ።+ 4 የሱስ ድማ፡ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣+ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣+ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” በሎ።+ 5 ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ ለመኖ፣+ 6 “ጐይታይ፡ ጊልያይ ለሚሱ ኣብ ቤተይ ደቂሱ ኣሎ፣ ብርቱዕ ቃንዛ እውን ኣለዎ” ድማ በሎ። 7 ንሱ ኸኣ፡ “ምስ መጻእኩ፡ ከሕውዮ እየ” በሎ። 8 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን፣ ሓንቲ ቓል ጥራይ በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ። 9 ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 10 የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ተገሪሙ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸምዚ በሎም፦ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነት ዘላቶስ፡ ሓደ እኳ ኣብ እስራኤል ኣይረኸብኩን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 11 ግናኸ፡ ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ኪመጹ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም፡+ እብለኩም ኣለኹ። 12 ደቂ መንግስቲ ግና፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም።”+ 13 ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ “ኪድ። ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ” በሎ።+ እቲ ጊልያ ድማ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።+ 14 ድሕሪኡ፡ የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ሓማት ጴጥሮስ+ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ረኣያ።+ 15 ስለዚ፡ ኢዳ ተንከያ+ እሞ፡ ረስና ሓደጋ፣ ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶ። 16 ምስ መሰየ ግና፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰባት ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ብሓንቲ ቓል ኣውጽኦም፡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ኸኣ ኣሕወዮም። 17 እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ንሕማምና ወሲድዎ፣ ንስቓይና ኸኣ ጾይርዎ”+ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 18 የሱስ፡ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ናብ ስግር ብዛዕባ ምስጋር ትእዛዝ ሃበ።+ 19 ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” በሎ።+ 20 የሱስ ግና፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በሎ።+ 21 ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ንኣቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ።+ 22 የሱስ ግና፡ “ብቐጻሊ ደኣ ስዓበኒ፡ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም” በሎ።+ 23 ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓብዎ።+ 24 እንሆ ድማ፡ እቲ ባሕሪ ኣመና ስለ እተናወጸ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ይመልኣ ነበረ፣ ንሱ ግና፡ ደቂሱ ነበረ።+ 25 ንሳቶም መጺኦም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና!” እናበሉ ኣተንስእዎ። 26 ንሱ ግና፡ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትፈርሁ፧”*+ በሎም። ሽዑ፡ ተንሲኡ፡ ንንፋሳትን ንባሕርን ገንሖም፣ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ።+ 27 እቶም ሰባት ከኣ፡ “እዝስ እንታዋይ ኰን እዩ፧ ንፋሳትን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ” ኢሎም ኣስተንከሩ። 28 ናብ ስግር፡ ናብ ዞባ ጋዳሬኖስ ምስ በጽሐ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት ካብ መቓብር እናወጹ ተጓነፍዎ።+ ንሳቶም ኣዝዮም ሕሱማት ስለ ዝነበሩ፡ በታ መገዲ እቲኣ ደፊሩ ዚሓልፍ ኣይነበረን። 29 እንሆ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧+ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜ+ ኸተሳቕየናዶ መጺእካ፧”+ እናበሉ ጨደሩ። 30 ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ፡ መጓሰ ብዙሓት ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ።+ 31 እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ “እንተ ኣውጺእካና፡ ናብቲ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” እናበሉ ለመንዎ።+ 32 ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ድማ፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማያት እውን ሞተ። 33 እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፣ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዅሉ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከኣ ኣውረዩ። 34 እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ምስ የሱስ ክትራኸብ ወጸት፣ ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ዞባኦም ኬልግስ ለመንዎ።+ 11 የሱስ ን12 ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ተበገሰ።+ 2 ዮሃንስ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡+ ብዛዕባ ግብርታት ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ልኢኹ፡+ 3 “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ።+ 4 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኬድኩም፡ እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፦+ 5 ዕዉራት ይርእዩ፡+ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡+ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ።+ 6 እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ፡ ሕጉስ እዩ።”+ 7 እዚኣቶም ኪኸዱ ኸለዉ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ኣብ በረኻ እንታይ ክትርእዩ ወጺእኩም፧+ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፧+ 8 እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጺእኩም፧ ልስሉስ* ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት እዮም ዘለዉ። 9 ስለምንታይ ደኣ ወጺእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ደኣ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 10 እቲ፡ ‘እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ* እልእኽ ኣለኹ’ ተባሂሉ እተጻሕፈሉ፡ ንሱ እዩ።+ 11 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ካብቶም ካብ ኣንስቲ እተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ኣይተንስአን፣ እቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝነኣሰ ግና፡ ካብኡ ዝዓበየ እዩ።+ 12 ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሕጂ፡ ንመንግስተ ሰማያት ሸቶኦም ገይሮም ይጋደሉላ ኣለዉ፣ እቶም ዚጋደሉ ድማ ይረኽብዋ ኣለዉ።+ 13 ነብያትን ሕግን ብሓፈሻስ፡ ክሳዕ ዮሃንስ እዩ ተነብዩ።+ 14 ክትቅበልዎ ትፈትዉ እንተ ዄንኩም፡ ‘እቲ ዚመጽእ ኤልያስ’ ንሱ እዩ።+ 15 እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። 16 “ነዚ ወለዶ እዚ ብመን ክምስሎ እየ፧+ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ንመጻውቶም ዚደሃዩ ቘልዑ ይመስሉ። 17 ከምዚ ኸኣ ይብልዎም፦ ‘ሻምብቆ ነፊሕናልኩም፡ ግናኸ ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቂስናልኩም፡ ግናኸ ደረትኩም ኣይወቓዕኩምን።’ 18 ከምኡ ኸኣ፡ ዮሃንስ ከይበልዐን ከይሰተየን ምስ መጸ፡ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ይብሉ። 19 ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን ምስ መጸ+ ድማ፡ ‘እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን’ ይብሉ።+ ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥበብ ብግብራ* እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ።”*+ 20 ድሕርዚ፡ ነተን መብዛሕትኡ ግብርታት ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት፡ ስለ ዘይተነስሓ ኸምዚ ኢሉ ኺነቕፈን ጀመረ፦ 21 “ወይለኺ ኰራዚን! ወይለኺ ቤት-ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶንን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን፡ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ተቐሚጠን፡ ቀደም ምተነስሓ ነይረን።+ 22 ግናኸ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ንዓኻትክን ንጢሮስን ንሲዶንን ኪቐልል እዩ፡+ እብለክን ኣለኹ። 23 ኣቲ ቅፍርናሆም፡+ ክሳብ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳብ መቓብር* እባ ኽትወርዲ ኢኺ፣+ እዚ ኣባኺ እተገብረ ግብርታት ሓይልስ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውን፡ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ምጸንሐት ነይራ። 24 ግናኸ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ንዓኺ ንምድሪ ሶዶም ኪቐልል እዩ፡ እብለኪ ኣለኹ።”+ 25 በታ ግዜ እቲኣ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኦ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ።+ 26 እወ፡ ኦ ኣቦይ፡ እዚ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ። 27 ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋሂቡኒ ኣሎ፣+ ንወዲ ኸኣ ብዘይካ ኣቦ፡ ሓደ እኳ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ የልቦን፣+ ንኣቦ እውን ብዘይካ ወድን ወዲ ኺገልጸሉ ዚደልን፡ ሓደ እኳ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ የልቦን።+ 28 ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። 29 ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣+ ንርእስኹም* ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። 30 ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡* ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ።” 2 ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ፡*+ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ምስ ተወልደ፡ እንሆ፡ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ* ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ፡ 2 “እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ+ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና፡ ክንሰግደሉ* መጺእና” ድማ በሉ። 3 ንጉስ ሄሮድስ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ተሸበረ፣ ኵላ የሩሳሌም እውን ምስኡ ተሸበረት። 4 ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ ድማ፡ ክርስቶስ* ኣበይ ከም ዚውለድ ሓተቶም። 5 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ እዩ፣ ከመይሲ፡ ብነብዪ ኸምዚ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ፦ 6 ‘ኣቲ ቤት-ልሄም ናይ ምድሪ ይሁዳ፡ ካባኺ ንህዝበይ እስራኤል ዚጓሲ ሹም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሹማምንቲ ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ’” በልዎ።+ 7 ድሕሪኡ፡ ሄሮድስ ነቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ብሕቡእ ጸዊዑ፡ ካባታቶም እቲ ኰዀብ እተራእየሉ ግዜ ኣርጊጹ ፈለጠ። 8 ናብ ቤት-ልሄም ኪሰድዶም ከሎ ድማ፡ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣጸቢቕኩም መርምሩ፣ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ እውን ከይደ ምእንቲ ኽሰግደሉ፡ ንገሩኒ” በሎም። 9 ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምስ ሰምዕዎ፡ ከዱ፣ እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ+ ከለዉ ዝረኣይዎ ኰዀብ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። 10 ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሓጐስ ተሓጐሱ። 11 ናብ ቤት ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ እሞ፡ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።* መዛግብቶም ከፊቶም ድማ፡ ህያባት ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ሃብዎ። 12 ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ስለ እተዋህቦም ግና፡+ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። 13 ንሳቶም ምስ ተመልሱ፡ እንሆ፡ መልኣኽ የሆዋ* ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡+ “ሄሮድስ ነዚ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፣ ክሳዕ ዝነግረካ ድማ ኣብኡ ጽናሕ” በሎ። 14 ዮሴፍ ከኣ ተንሲኡ ብለይቲ ነቲ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዙ ናብ ግብጺ ኸደ። 15 እቲ የሆዋ* ብነብይኡ ኣቢሉ፡ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ”+ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሐ። 16 ድሕሪኡ፡ ሄሮድስ በቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኸም እተታለለ ምስ ፈለጠ፡ ኣመና ነደረ፣ ብመሰረት እቲ ኻብቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኣርጊጹ ዝፈለጦ ግዜ፡ ኣብ ቤት-ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታታን ንዝጸንሑ፡ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘበሉ ዅሎም ኣወዳት ልኢኹ ኣቕተለ።+ 17 ሽዑ፡ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ ተባሂሉ ዝነበረ ኸምዚ ዚብል ትንቢት ተፈጸመ፦ 18 “ኣብ ራማ ድምጺ ብኽያትን ዋይዋይታን ተሰሚዑ። ራሄል+ ንደቃ በኽያትሎም፣ ስለ እተወድኡ ድማ፡ ምጽንናዕ ኣብያ።”+ 19 ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ እንሆ፡ መልኣኽ የሆዋ* ንዮሴፍ፡ ኣብ ግብጺ ብሕልሚ ተራእዮ፣+ 20 “ህይወት* እዚ ሕጻን እዚ ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” ድማ በሎ። 21 ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ነቲ ሕጻንን ንኣዲኡን ሒዙ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣተወ። 22 ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ ምስ ሰምዐ ግና፡ ናብቲ ቦታ ምኻድ ፈርሀ። ብሕልሚ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ስለ እተዋህቦ እውን፡+ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ።+ 23 እቲ ብነብያት፡ “ናዝሬታዊ*+ ኺብሃል እዩ” እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ፡ ናዝሬት+ ናብ እትብሃል ከተማ መጺኡ ተቐመጠ። 26 የሱስ ንዅሉ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ወድአ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ 2 “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም፣+ ወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ” በሎም።+ 3 ሽዑ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣጸድ እቲ ቀያፋ ዚብሃል ሊቀ ኻህናት ተኣኪቦም፡+ 4 ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ውዲት ኣለሙ።+ 5 ግናኸ፡ “ኣብ መንጎ ህዝቢ፡ ናዕቢ ምእንቲ ኸይልዓልሲ፡ ብበዓል ኣይኹን” ይብሉ ነበሩ። 6 የሱስ ኣብ ቢታንያ፡ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ድዉይ ከሎ፡+ 7 ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ዝሓዘት ሰበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ነቲ ቕብኢ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 8 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ርእዮም ተቘጥዑ፡ “ንምንታይ እዚ ዚባኽን፧ 9 እዝስ ንብዙሕ ገንዘብ ተሸይጡ፡ ንድኻታት ምተዋህበ ነይሩ” ድማ በሉ። 10 የሱስ ግና፡ እዚ ፈሊጡ፡ “ነዛ ሰበይቲ ስለምንታይ ተሸግርዋ ኣለኹም፧ ንሳ ሰናይ ግብሪ ገይራትለይ እያ። 11 ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣+ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን።+ 12 ኣብ ሰብነተይ ቅዱይ ቅብኢ ኸተፍስስ ከላ፡ ንቐብረይ ከተዳልወኒ ኢላ እያ ገይራቶ።+ 13 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዚ ብስራት እዚ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ እተሰብኮ ዘበለ፡ እዛ ሰበይቲ ዝገበረቶ ግብሪ ንመዘከሪኣ ኺንገር እዩ” በሎም።+ 14 ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ፡ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል፡+ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡+ 15 “ንዕኡ ኣሕሊፈ ኽህበኩምሲ፡ እንታይ ትህቡኒ፧” በሎም።+ ንሳቶም ከኣ 30 ብሩር ኣቕረቡሉ።+ 16 ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ፡ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ። 17 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡+ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ “ፋስጋ ኽትበልዕሲ፡ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧” በልዎ።+ 18 ንሱ ድማ፡ “ናብ ከተማ፡ ናብ እከለ ኺዱ እሞ፡ ‘መምህር፡ “ግዜይ ቀሪባ እያ፣ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ቤትካ ፋስጋ ኸብዕል” ይብል ኣሎ’ በልዎ” በሎም። 19 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፣ ንፋስጋ ዚኸውን እውን ኣዳለዉ። 20 ምስ መሰየ፡+ ምስቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።+ 21 ኪበልዑ ኸለዉ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” በሎም።+ 22 ንሳቶም ከኣ በዚ ብዙሕ ጕህዮም፡ በብሓደ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ደዀን እየ፧” ኪብልዎ ጀመሩ። 23 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዜጥልቕ፡ ንሱ እዩ ኣሕሊፉ ዚህበኒ።+ 24 ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተጻሕፈሉ ኪኸይድ እዩ፣ እቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ+ ግና ወይለኡ!+ እቲ ሰብ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ።”+ 25 እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ ድማ፡ “መምህር፡* ኣነ ደዀን እየ፧” ኢሉ መለሰ። የሱስ ድማ፡ “ንስኻ እኳ ኢልካ” በሎ። 26 ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዓለ፣ ባሪኹ፡ ቈሪሱ፡+ ንደቀ መዛሙርቱ እናሃበ ድማ፡ “ውሰዱ፡ ብልዑ። እዚ ስጋይ ማለት እዩ” በሎም።+ 27 ጽዋእ ኣልዒሉ እውን፡ ኣመስጊኑ፡ ከምዚ እናበለ ሃቦም፦ “ኵላትኩም ካብዚ ስተዩ፣+ 28 እዚ ምእንቲ ብዙሓት+ ንሕድገት ሓጢኣት+ ዚፈስስ ናተይ ‘ደም+ ኪዳን’+ ማለት እዩ። 29 ግናኸ እብለኩም ኣለኹ፦ ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ ኣብ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ዝሰትየላ መዓልቲ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ኸቶ ኣይክሰትን እየ።”+ 30 መዝሙር ውዳሰ* ምስ ዘመሩ ድማ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ወጹ።+ 31 ሽዑ፡ የሱስ፡ “‘ነቲ ጓሳ ኽወቕዖ እየ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ኪብላ እየን’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ኵላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም።+ 32 ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ” በሎም።+ 33 ጴጥሮስ ግና፡ “ኵላቶም እኳ ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክዕንቀፍን እየ!” በሎ።+ 34 የሱስ ከኣ፡ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” በሎ።+ 35 ጴጥሮስ ድማ፡ “ምሳኻ ኽመውት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ከቶ ኣይክኽሕደካን እየ” በሎ።+ ኵሎም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ እውን፡ ከምኡ በሉ። 36 ድሕርዚ፡ የሱስ ምሳታቶም፡ ጌተሴማኔ ናብ እትብሃል ቦታ ኸደ፣+ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ “ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ” በሎም።+ 37 ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማሊኡ ድማ፡ ኪጕህን ኪጭነቕን ጀመረ።+ 38 ሽዑ፡ “ክሳዕ ሞት ኣዝየ ጕህየ ኣለኹ።* ኣብዚ ኹኑ፡ ምሳይ እውን ንቕሑ” በሎም።+ 39 ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ “ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ+ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ፡ ከም ፍቓድካ እምበር፡ ከም ፍቓደይ ኣይኹን”+ ኢሉ ጸለየ።+ 40 ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ ንጴጥሮስ ድማ፡ “ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧+ 41 ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡+ ንቕሑን+ ብቐጻሊ ጸልዩን።+ መንፈስሲ ህንጡይ* እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎ።+ 42 ከም ብሓድሽ፡ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ “ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰተኽዎ ኺሓልፍ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ፡ ፍቓድካ ይኹን” ኢሉ ጸለየ።+ 43 ከም ብሓድሽ ምስ መጸ ድማ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። 44 ሓዲግዎም ከም ብሓድሽ ከይዱ ኸኣ፡ ከምቲ ኢልዎ ዝነበረ ኢሉ ሳልሳይ ሳዕ ጸለየ። 45 ድሕሪኡ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ተመሊሱ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜስ፡ ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም! እንሆ፡ እታ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፍካ ዚውሃበላ ሰዓት ቀሪባ ኣላ። 46 ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም። 47 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ይሁዳ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ፣ ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ካብ ዓበይቲ ህዝብን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ብዙሓት ህዝቢ መጹ።+ 48 እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ኸኣ፡ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፣ ሓዝዎ” ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። 49 ትኽ ኢሉ ናብ የሱስ ከይዱ ድማ፡ “ሰላም፡ መምህር”* ኢሉ ኣጥቢቑ ሰዓሞ። 50 የሱስ ግና፡ “ዓርከይ፡ ንምንታይ መጺእካ፧”+ በሎ። ሽዑ፡ ቀሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም፡ ንየሱስ ሓዝዎ። 51 እንሆ ግና፡ ሓደ ኻብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ፡ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ እዝኑ ቘረጾ።+ 52 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡+ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ።+ 53 ወይስ ንኣቦይ ሕጂ ኻብ 12 ለጌዎን* ዚበዝሑ መላእኽቲ ኺሰድደለይ ምልማኑ ዘይክእልዶ ይመስለካ፧+ 54 እቲ በዚ ኸምዚ ኺፍጸም ዚግብኦ ቕዱሳት ጽሑፋት ደኣ ኸመይ ኢሉ ኺፍጸም፧” በሎ። 55 ሽዑ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጺእኩም፧ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፣+ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዝኩምንን።+ 56 እዚ ዅሉ ግና፡ እቲ ጽሑፋት* ነብያት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዀይኑ”+ በሎም። ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።+ 57 እቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ኸኣ፡ ናብ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ፣+ ኣብኡ ኸኣ ጸሓፍትን ዓበይትን ተኣኪቦም ነበሩ።+ 58 ጴጥሮስ ግና ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ፣ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ መወዳእታኡ ኺርኢ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ።+ 59 ሊቃውንቲ ኻህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ድማ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ናይ ሓሶት ምስክር ደለዩ።+ 60 ግናኸ ብዙሓት ሓሰውቲ መሰኻኽር እኳ እንተ ቐረቡ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን።+ ደሓር፡ ክልተ ቐሪቦም፡ 61 “እዚ ሰብ እዚ፡ ‘ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ፡ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጻ እኽእል እየ’ ኢሉ” በሉ።+ 62 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉ እንታይ እዩ፧” በሎ።+ 63 የሱስ ግና ስቕ በለ።+ ስለዚ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካ ኽትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ!” በሎ።+ 64 የሱስ ድማ፡ “ንስኻ እኳ ኢልካ። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፦ ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ንወዲ ሰብ+ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡+ ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ።+ 65 ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ከምዚ እናበለ ኽዳኑ ቐደደ፦ “ተጻሪፉ! ደጊም ንምንታይ መሰኻኽር የድልዩና፧ እንሆ፡ ሕጂ ጸርፉ ሰሚዕኩም ኣለኹም። 66 እንታይ ይመስለኩም፧” ንሳቶም ከኣ፡ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም መለሱሉ።+ 67 ድሕርዚ፡ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉን+ ኣጕሰጥዎን።+ ገሊኣቶም ከኣ ጸፍዕዎ፣+ 68 “ኦ ክርስቶስ፡ ተነበየልና። መን እዩ ወቒዑካ፧” ድማ በልዎ። 69 ጴጥሮስ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ኣጸድ ተቐሚጡ ነበረ፣ ሓንቲ ገረድ ከኣ፡ “ንስኻ እውን ምስ የሱስ እቲ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ!” እናበለት ናብኡ መጸት።+ 70 ንሱ ግና፡ “ብዛዕባ እዚ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጥን እየ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ከሓደ። 71 ናብ ኣፍ ደገ ምስ ከደ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኸኣ፡ “እዚ፡ ምስ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ነይሩ እዩ” በለቶም።+ 72 ንሱ ኸኣ ከም ብሓድሽ፡ “ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ!” ኢሉ ብማሕላ ኸሓደ። 73 ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ቐሪቦም፡ ንጴጥሮስ፡ “ንስኻ እውን ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ብኣዘራርባኻ እኳ ትፍለጥ” በልዎ። 74 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ!” ኢሉ ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ። 75 ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ “ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ዘከረ።+ ናብ ወጻኢ ኸይዱ እውን፡ ኣምሪሩ በኸየ። 4 ድሕርዚ፡ የሱስ ብድያብሎስ ኪፍተን፡+ ብመንፈስ ናብ በረኻ ተመርሐ።+ 2 40 መዓልትን 40 ለይትን ምስ ጾመ፡ ጠመየ። 3 እቲ ፈታኒ+ መጺኡ ድማ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” በሎ። 4 ንሱ ግና፡ “‘ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ* ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።+ 5 ሽዑ፡ ድያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡+ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ፡+ 6 “‘ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ፡’ ድማ ‘እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡ ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ጽደፍ” በሎ።+ 7 የሱስ ከኣ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣይትፈትኖ’ ዚብል ጽሑፍ እውን ኣሎ” በሎ።+ 8 ከም ብሓድሽ፡ ድያብሎስ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን ኣርኣዮ።+ 9 “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” ድማ በሎ። 10 ሽዑ፡ የሱስ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣምልኮ፡+ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ’*+ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ፡ ሰይጣን!” በሎ። 11 ድሕርዚ፡ ድያብሎስ ሓደጎ፣+ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ።+ 12 ብዛዕባ ማእሰርቲ ዮሃንስ ምስ ሰምዐ፡+ ናብ ገሊላ ኸደ።+ 13 ካብ ናዝሬት ምስ ሓለፈ ድማ፡ ኣብ ኣውራጃታት ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ቅፍርናሆም+ መጺኡ ተቐመጠ። 14 እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ፦ 15 “ኦ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ስግር ዮርዳኖስ፡ ናይ ኣህዛብ ገሊላ፡ 16 ኣብ ጸልማት ዚቕመጥ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ርእዩ፡ ኣብ ዞባ ጽላሎት ሞት ንዚቕመጡ እውን ብርሃን+ ወጺኡሎም።”+ 17 ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ የሱስ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።+ 18 ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኪኸይድ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ+ እተባህለ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡+ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣየ። 19 “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ” ድማ በሎም።+ 20 ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ።+ 21 ካብኡ ምስ ሓለፈ እውን፡ ክልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ሓዉ ዮሃንስን፡+ ምስ ኣቦኦም ዘብዴዎስ ኣብ ጃልባ ዀይኖም፡ መርበቦም ኬዐርዩ ረኣየ እሞ፡ ጸውዖም።+ 22 ንሳቶም ከኣ ብኡብኡ ነታ ጃልባን ንኣቦኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ። 23 ድሕርዚ፡ ኣብ ምኵራባቶም+ እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየን ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞረ።+ 24 ወሪኡ ኸኣ ናብ ኵላ ሶርያ ተዘርግሐ፣ ንሳቶም ድማ ኵሎም ሕሙማት፡ እተፈላለየ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎምን+ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን+ ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎምን+ ልሙሳትን ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 25 ካብ ገሊላን ደካጶሊስን* የሩሳሌምን ይሁዳን ካብ ስግር ዮርዳኖስን ከኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። 16 ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ ናብኡ ቐሪቦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ሓተትዎ።+ 2 ንሱ ግና ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ምስ መሰየ፡ ‘ሰማይ ቀዪሑ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ’ ትብሉ፣ 3 ምስ ወግሐ፡ ‘እቲ እተደባነወ ሰማይ ቀዪሑ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ’ ትብሉ። ትርኢት ሰማይ ብኸመይ ከም እተለልዩ ትፈልጡ፣ ምልክት ግዜያት ግና ከተለልዩ ኣይትኽእሉን። 4 እኩይን ዘማውን* ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፣ ብዘይካ ትእምርቲ ዮናስ ግና፡+ ትእምርቲ ኣይኪውሃቦን እዩ።”+ ሓዲግዎም ከኣ ከደ። 5 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ስግር ሰገሩ፣ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ።+ 6 የሱስ ከኣ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተሓለዉን” በሎም።+ 7 ንሳቶም ድማ፡ “እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ” እናበሉ ተዛራረቡ። 8 የሱስ ነዚ ፈሊጡ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እንጌራ ስለ ዘይብልኩም ትዛራረቡ ኣለኹም፧ "9 እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ን5,000 ኣኺሉስ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ወይ ኣይትዝክሩን ኢኹም፧+" "10 ወይስ እቲ ሸውዓተ እንጌራ ን4,000 ኣኺሉስ ክንደይ ዓብዪ መሶብ ኢኹም ዘልዓልኩም፧+" 11 ብዛዕባ እንጌራ ኸም ዘይተዛረብኩኹም ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ ግናኸ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተሓለዉ።”+ 12 ሽዑ፡ ካብ ማይ ብሑቝ እንጌራ ዘይኰነስ፡ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪሕለዉ ኸም ዝበሎም ኣስተውዓሉ። 13 የሱስ ናብ ዞባ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 14 ንሳቶም ድማ፡ “ገሊኣቶም ዮሃንስ መጥምቕ፡+ ካልኦት ኤልያስ፡+ ካልኦት ከኣ ኤርምያስ ወይ ሓደ ኻብ ነብያት ይብሉ” በልዎ። 15 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” በሎም። 16 ስምኦን ጴጥሮስ፡ “ንስኻ ክርስቶስ+ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 17 የሱስ ከኣ መሊሱ ኸምዚ በሎ፦ “ስምኦን ወዲ ዮናስ፡ ነዝስ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን* እሞ፡ ሕጉስ ኢኻ።+ 18 ኣነ ኸኣ እብለካ ኣለኹ፦ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፣+ ንጉባኤይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ+ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፣ ኣፍ ደገታት መቓብር* እውን ኣይኪሕይልዋን እዮም። 19 መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፣ ኣብ ምድሪ እትኣስሮ ዘበለ፡ ኣብ ሰማያት ድሮ እሱር ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እትፈትሖ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ሰማያት ድሮ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” 20 ድሕርዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብጽኑዕ ኣዘዞም።+ 21 ካብ ሽዑ ንደሓር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ኪቕተል፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ፡ ኪገልጸሎም ጀመረ።+ 22 ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ፣ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ።+ 23 ንሱ ግና ንጴጥሮስ ዝባኑ እናሃቦ፡ “ናብ ድሕረይ ኪድ፡ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንዓይ መዐንቀፊ ኢኻ” በሎ።+ 24 ድሕርዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ ጕንዲ ስቅያቱ* ኣልዒሉ፡ ብቐጻሊ ይስዓበኒ።+ 25 ንህይወቱ* ኼድሕና ዚደሊ ዘበለስ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንህይወቱ* ምእንታይ ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ኪረኽባ እዩ።+ 26 ሰብ ምሉእ ዓለም ረቢሑስ፡ ህይወቱ* እንተ ኣጥፊኡ እንታይ ይጠቕሞ፧+ ወይስ ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ* እንታይ ይህብ፧+ 27 ወዲ ሰብሲ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።+ 28 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ገለ ኻብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ፡ ሞት ኣይኪጥዕሙን እዮም።”+ 6 “ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም፡ ጽድቅኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ ኣይኪህልወኩምን እዩ። 2 ስለዚ፡ ክትምጽውት ከለኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺምጎሱ ኢሎም ኣብ ምኵራባትን ኣብ ጐደናታትን ዚገብርዎ፡ ኣቐዲምካ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 3 ንስኻ ኽትምጽውት ከለኻ ግና፡ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፣ 4 በዚ ኸምዚ ምጽዋትካ ብሕቡእ ይኸውን። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ኪኽሕሰካ እዩ።+ 5 “ክትጽልዩ ኸለኹም እውን፡ ከምቶም ግቡዛት ኣይትኹኑ፣+ ንሳቶም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ኣብ ምኵራባትን ኣብ መኣዝናት ጐደናታትን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም።+ ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 6 ንስኻ ኽትጽሊ ኸለኻ ግና፡ ናብ ብሑት ክፍልኻ እቶ፡ ማዕጾኻ ዓጺኻ ኸኣ፡ ናብቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ፣+ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ፡ ኪኽሕሰካ እዩ። 7 ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምቲ ብምብዛሕ ቃላት ዚስምዑ ዚመስሎም ኣህዛብ ዚገብርዎ፡ ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ። 8 እምበኣር፡ ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡+ ኣይትምሰልዎም። 9 “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦+ “‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ+ ይቀደስ።+ 10 መንግስትኻ+ ትምጻእ። ፍቓድካ+ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።+ 11 ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።+ 12 ንሕና ንዝበደሉና* ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና* ሕደገልና።+ 13 ካብቲ እኩይ ኣድሕነና+ እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።’+ 14 “ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፡ ንዓኻትኩም እውን ሰማያዊ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም እዩ፣+ 15 ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓዲግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።+ 16 “ክትጾሙ ኸለኹም፡+ እቶም ግቡዛት ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ኢሎም ገጾም የጸምልዉ* እዮም እሞ፡ ደጊም ከማታቶም ገጽኩም ኣይተጸምልዉ።+ ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 17 ንስኻ ኽትጸውም ከለኻ ግና፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ እውን ተሓጸብ፣ 18 ሽዑ፡ ጸዋሚ ምዃንካ፡ ብሰብ ዘይኰነስ፡ በቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ኽትርአ ኢኻ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ኪኽሕሰካ እዩ። 19 “ብልዒ* ኣብ ዚበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዜመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ደጊም ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣይትኣክቡ።+ 20 ኣብ ክንዳኡስ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዘየመርቶ፡+ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ።+ 21 መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። 22 “መብራህቲ ሰብነት፡ ዓይኒ እያ።+ ዓይንኻ ትኵርቲ* እንተ ዀይና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። 23 ዓይንኻ ቐናእ*+ እንተ ዀይና ግና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ክንደይ ኰን ይጽልምት! 24 “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣+ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።+ 25 “ስለዚ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዛዕባ ህይወትኩም* ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ+ ደጊም ኣይትጨነቑ።+ ህይወት* ካብ ብልዒ፡ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳንዶ ኣይበልጽን፧+ 26 ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣+ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧ 27 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት* ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧+ 28 ብዛዕባ ኽዳንከ ስለምንታይ እትጭነቑ፧ ካብቲ ዕምባባታት* መሮር ዚዓብዩሉ መገዲ እሞ ተምሃሩ፣ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ። 29 ኣነ ግና፡ ሰሎሞን+ እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። 30 ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ 31 እምበኣር፡ ‘እንታይ ንበልዕ፧’ ወይ ‘እንታይ ንሰቲ፧’ ወይ ‘እንታይ ንኽደን፧’+ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።+ 32 ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ኣጸቢቖም ይደልይዎ እዮም። እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 33 “ስለዚ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።+ 34 እምበኣር፡ ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ።+ ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ። 25 “ሽዑ፡ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን+ ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ+ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። 2 ካባታተን እተን ሓሙሽተ ዓያሹ፡ እተን ሓሙሽተ ኸኣ ለባማት* ነበራ።+ 3 እተን ዓያሹ፡ ቀቀንዴለን እኳ እንተ ወሰዳ፡ ዘይቲ ግና ኣይተማልኣን። 4 እተን ለባማት ግና፡ መምስ ቀንዴለን፡ ዘይቲ ኣብ ጢናአን ተማልኣ። 5 መርዓዊ ምስ ደንጐየ፡ ኵላተን ትኽስ በላ፡ ደቀሳ ኸኣ። 6 ፍርቂ ለይቲ፡ ‘እንሆ መርዓዊ! ክትቅበላኦ ውጻ’ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ተሰምዐ። 7 ሽዑ፡ ኵለን እተን ደናግል ተንሲአን፡ ቀቀንዴለን ኣሰናደዋ።+ 8 እተን ዓያሹ ነተን ለባማት፡ ‘ቀነዲልና ኺጠፍእ ስለ ዝበለ፡ ካብ ዘይትኽን ግዳ ሃባና’ በላአን። 9 እተን ለባማት ከኣ፡ ‘ምናልባት ንዓናን ንዓኻትክንን ኣይኣክልን ይኸውን። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኼድክን ንርእስኽን ዓድጋ’ ኢለን መለሳለን። 10 ንሳተን ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ፣ እተን ድሉዋት ዝነበራ ኸኣ ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፣+ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ። 11 ደሓር፡ እተን ዝተረፋ ደናግል መጺአን፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ኣርሕወልና!’ በላ።+ 12 ንሱ ግና፡ ‘ብሓቂ እብለክን ኣለኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ’ ኢሉ መለሰለን። 13 “እምበኣር፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።+ 14 “ከምቲ ኺገይሽ ዝበለ እሞ፡ ንባሮቱ ጸዊዑ፡ ገንዘቡ ብሕድሪ ዝሃቦም ሰብ እውን ትመስል።+ 15 ንሱ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ ታለንት፡* ንሓደ ኽልተ፡ ንሓደ ኸኣ ሓደ ሂብዎም ገሸ። 16 እቲ ሓሙሽተ ታለንት እተቐበለ፡ ብኡብኡ ኸይዱ፡ ብእኡ ነገደ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ ድማ ረብሐ። 17 እቲ ኽልተ እተቐበለ ኸኣ፡ ተወሳኺ ኽልተ ረብሐ። 18 እቲ ሓደ ጥራይ እተቐበለ ግና ከይዱ፡ ኣብ ምድሪ ዅዒቱ፡ ነቲ ገንዘብ* ጐይታኡ ሓብኦ። 19 “ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶም ድማ ተጸባጸበ።+ 20 እቲ ሓሙሽተ ታለንት እተቐበለ ኸኣ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ ታለንት ሒዙ፡ ‘ጐይታይ፡ ሓሙሽተ ታለንት ብሕድሪ ሂብካኒ ኔርካ፣ እንሆ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ ታለንት ረቢሐ’ እናበለ ቐረበ።+ 21 ጐይታኡ ድማ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ።+ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ’ በሎ።+ 22 እቲ ኽልተ ታለንት እተቐበለ እውን ቀሪቡ፡ ‘ጐይታይ፡ ክልተ ታለንት ብሕድሪ ሂብካኒ ኔርካ፣ እንሆ፡ ተወሳኺ ኽልተ ታለንት ረቢሐ’ በለ።+ 23 ጐይታኡ ኸኣ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ’ በሎ። 24 “እቲ ሓደ ታለንት እተቐበለ ድማ ቀሪቡ፡ ‘ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘየዝሮኻዮ እትእክብ ተጸባጻቢ ሰብ ምዃንካ ፈሊጠ።+ 25 ስለዚ፡ ፈሪሀ፡ ከይደ፡ ነቲ ታለንትኻ ኣብ ምድሪ ሓቢአዮ። እንሆ ገንዘብካ’ በለ። 26 ጐይታኡ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ ‘ኣታ እኩይን ሃካይን ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዓጽድን ዘየዝሮኽዎ ኸም ዝእክብንዶ ትፈልጥ ኔርካ፧ 27 እምበኣር፡ ገንዘበይ* ንባንከኛታት ክትህቦ ምተገብኣካ ነይሩ፣ ኣነ ድማ መጺአ፡ ገንዘበይ ምስ ወለዱ ምተቐበልኩ ነይረ። 28 “‘ስለዚ፡ ነቲ ታለንት ኣግድፍዎ፡ ነቲ ዓሰርተ ታለንት ዘለዎ ድማ ሃብዎ።+ 29 ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ፡ ይበዝሓሉ እውን። ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እውን የግድፍዎ።+ 30 ነቲ ዘይጠቅም ባርያ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ድማ ኪበክን ኣስናኑ ኺሕርቅምን እዩ።’ 31 “ወዲ ሰብ+ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ምስ መጸ፡+ ሽዑ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ኪቕመጥ እዩ። 32 ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም፣ ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላልዮም እዩ። 33 ነተን ኣባጊዕ+ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ ኺገብረን እዩ።+ 34 “ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ የማኑ ዘለዉ ኸምዚ ኺብሎም እዩ፦ ‘ኣቱም ኣቦይ ዝባረኸኩም ንዑ፡ ነቲ ኻብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። 35 ከመይሲ፡ ጠምየ፡ ኣብሊዕኩምኒ፣ ጸሚአ፡ ኣስቲኹምኒ፣ ጋሻ ዀይነ፡ ኣአንጊድኩምኒ፣+ 36 ዓሪቐ፡ ከዲንኩምኒ፣+ ሓሚመ፡ ተኸናኺንኩምኒ፣ ተኣሲረ፡ በጺሕኩምኒ።’+ 37 ሽዑ፡ እቶም ጻድቃን ከምዚ ኢሎም ኪምልሱሉ እዮም፦ ‘ጐይታይ፡ መዓስ ጠሚኻ ርኢናካስ ኣብሊዕናካ፡ ወይስ ጸሚእካ ኣስቲናካ፧+ 38 መዓስከ ጋሻ ዄንካ ርኢናካስ፡ ኣአንጊድናካ፡ ወይስ ዓሪቕካ ኸዲንናካ፧ 39 መዓስከ ሓሚምካ ወይስ ተኣሲርካ ርኢናካስ፡ በጺሕናካ፧’ 40 እቲ ንጉስ ከኣ፡ ‘ብመጠን እቲ ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝገበርኩምሉ፡ ንዓይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኺብሎም እዩ።+ 41 “ድሕርዚ፡ ነቶም ኣብ ጸጋሙ ዘለዉ ኸምዚ ኺብሎም እዩ፦ ‘ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሒቕኩም+ ናብቲ ንድያብሎስን ንመላእኽቱን+ እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ+ ኺዱ። 42 ከመይሲ፡ ጠምየ፡ ኣየብላዕኩምንን፣ ጸሚአ፡ ኣየስተኹምንን፣ 43 ጋሻ ዀይነ፡ ኣየአንገድኩምንን፣ ዓሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን፣ ሓሚመን ተኣሲረን፡ ኣይተኸናኸንኩምንን።’ 44 ሽዑ፡ ንሳቶም እውን፡ ‘ጐይታይ፡ መዓስ ጠሚኻ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጋሻ ዄንካ፡ ወይ ዓሪቕካ፡ ወይ ሓሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ ርኢናካስ፡ ዘየገልገልናካ፧’ ኢሎም ኪምልሱሉ እዮም። 45 ሽዑ፡ ንሱ፡ ‘ብመጠን እቲ ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዘይገበርኩምሉ፡ ንዓይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኢሉ ኺምልሰሎም እዩ።+ 46 እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት፡*+ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።”+ 10 ን12 ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽኡን ኵሉ ሕማምን ኵሉ ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሃቦም።+ 2 ስማት እቶም 12 ሃዋርያት እዚ እዩ፦+ ቀዳማይ፡ እቲ ጴጥሮስ+ ተባሂሉ ዘሎ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን፡+ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ሓዉ ዮሃንስን፡+ 3 ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡+ ቶማስን+ ማቴዎስ+ እቲ ኣካብ ቀረጽን፡ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን፡ 4 ስምኦን እቲ ቐነናውን* እቲ ደሓር ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታውን።+ 5 የሱስ ነዞም 12፡ ከምዚ ዚብል ትእዛዝ ሂቡ ለኣኾም፦+ “ናብ መገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ዝዀነት ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ፣+ 6 ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኪዱ።+ 7 ክትከዱ ኸለኹም፡ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ።+ 8 ሕሙማት ኣሕውዩ፡+ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ድዉያት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ። 9 ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ነሓሲ ዀነ፡ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትሓዙ።+ 10 ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡+ ንመገዲ ለቘታ ስንቂ፡ ወይ ክልተ ቐምሽ፡* ወይ ኣሳእን ወይ በትሪ ኣይትሓዙ።+ 11 “ኣብ እትኣትውዎ ዘበለ ኸተማ ወይ ቍሸት፡ ኣብኡ እቲ ዚግብኦ መን ምዃኑ ድለዩ፣ ክሳዕ እትወጹ እውን ኣብኡ ተቐመጡ።+ 12 ናብ ቤት ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ሰላም በሉ። 13 እታ ቤት ዚግብኣ እንተ ዀይና፡ ሰላምኩም ይሕደራ፣+ ዘይግብኣ እንተ ዀይና ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። 14 እንተ ዘይተቐቢሎምኹም፡ ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖም፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ደሮና ኣእጋርኩም ንገፉ።+ 15 ብመዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣ፡ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን+ ኪቐልል እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 16 “እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ መንጎ ተዃሉ እሰድደኩም ኣለኹ፣ እምበኣር፡ ጥንቁቓት ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።+ 17 ካብ ሰብ ተጠንቀቑ፣ ንሳቶም ናብ ኣብያተ ፍርዲ+ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኣብ ምኵራባቶም+ ኪገርፉኹምን+ እዮም። 18 ንዓታቶምን ንኣህዛብን ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡+ ምእንታይ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ክትቀርቡ ኢኹም።+ 19 ኣሕሊፎም ምስ ዚህቡኹም ግና፡ እንታይ ከም እትዛረቡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺውሃበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ።+ 20 ከመይሲ፡ መንፈስ ኣቦኹም ደኣ እዩ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ።+ 21 ሓው ንሓዉ፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኺህብ እዩ፣ ውሉዳት ኣብ ልዕሊ ወለዶም ኪልዓሉን ኬቕትልዎምን እዮም።+ 22 ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም፣+ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ።+ 23 ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጒጎምኹም፡ ናብ ካልእ ህደሙ፣+ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ንኸተማታት እስራኤል ዜርኩም ከቶ ኣይክትውድእወንን ኢኹም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 24 “ተምሃራይ ካብ መምህሩ፡ ባርያ እውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን እዩ።+ 25 ተምሃራይ ከም መምህሩ፡ ባርያ እውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀይኑ፡+ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤል-ዜቡል*+ ካብ በልዎ፡ ንቤተ ሰቡ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሖም ዘይብልዎም፧ 26 እምበኣር፡ ዘይቅላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም።+ 27 ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም፡ ኣብ ብርሃን ተዛረብዎ፣ ብሕሹዅሹዅ ዝሰማዕክምዎ፡ ኣብ ናሕስታት ኴንኩም ስበኽዎ።+ 28 ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ* ግና ኪቐትሉ ዘይክእሉ+ ኣይትፍርህዎም፣ የግዳስ፡ ነቲ ንነፍስን ንስጋን ኣብ ገሃነም*+ ኬጥፍእ ዚኽእል ፍርህዎ። 29 ክልተ ጨራሩ ብዘይትረብሕ ሳንቲም* ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።+ 30 ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን። 31 እምበኣር፡ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።+ 32 “ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንዚእመነለይ ኵሉ፡+ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመነሉ እየ።+ 33 ኣብ ቅድሚ ሰባት ንዚኽሕደኒ ዘበለ ግና፡ ኣነ እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።+ 34 ኣብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም፣ ሰላም ዘይኰነስ፡ ሰይፊ ኸምጽእ እየ መጺአ።+ 35 ከመይሲ፡ ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ ሰበይቲ ወዲ ኻብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ መጺአ።+ 36 ንሰብ ከኣ ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። 37 እቲ ኻባይ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ዜፍቅር፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ፣ እቲ ኻባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር እውን፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።+ 38 ጕንዲ ስቅያቱ* ተቐቢሉ ዘይስዕበኒ ዘበለ፡ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።+ 39 እቲ ንነፍሱ* ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንነፍሱ* ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ፡ ኪረኽባ እዩ።+ 40 “እቲ ንዓኻትኩም ዚቕበለኩም፡ ንዓይ እውን ይቕበለኒ፣ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ።+ 41 እቲ ንነብዪ፡ ነብዪ ብምዃኑ ዚቕበሎ፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፣+ እቲ ንጻድቕ፡ ጻድቕ ብምዃኑ ዚቕበሎ ኸኣ፡ ዓስቢ ጻድቕ ይቕበል። 42 ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ፡ ወደ መዝሙር ብምዃኑ ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ እኳ ዜስቲ ዘበለ፡ ዓስቡ ኸቶ ኣይኪስእንን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”+ 14 በቲ ግዜ እቲ፡ ሄሮድስ እቲ ገዛኢ ኣውራጃ፡* ወረ የሱስ ሰምዐ።+ 2 ንገላዉኡ ኸኣ፡ “እዚ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ እዩ ብእኡ ግብርታት ሓይሊ ዚግበር ዘሎ” በሎም።+ 3 ሄሮድስሲ* ንዮሃንስ፡ ብሰሪ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ሒዙ ኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ።+ 4 ምኽንያቱ፡ ዮሃንስ፡ “ናትካ ኽትገብራ ኣይተፈቕደልካን” ይብሎ ነበረ።+ 5 ይኹን እምበር፡ ኪቐትሎ ይደሊ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ፈርሆም።+ 6 ሄሮድስ ዕለተ ልደቱ ኼብዕል ከሎ፡+ ጓል ሄሮድያዳ ኣብኡ ሳዕስዐት፡ ንሄሮድስ ከኣ ብዙሕ ኣሐጐሰቶ።+ 7 ስለዚ ድማ፡ ዝደለየቶ ዘበለ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። 8 ንሳ እውን ከምቲ ኣዲኣ ዝበለታ፡ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ኣብ ሸሓኒ ጌርካ ኣብዚ ሃበኒ” በለቶ።+ 9 እቲ ንጉስ ዋላ እኳ እንተ ጐሃየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩን ኢሉ፡ ኪውሃባ ኣዘዘ። 10 ልኢኹ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ርእሲ ዮሃንስ ኣሰየፈ። 11 እታ ርእሱ ኣብ ሸሓኒ ተገይራ ነታ ጓል ተዋህበታ፣ ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። 12 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ፣ ከይዶም ድማ ንየሱስ ነገርዎ። 13 የሱስ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብሕት ኪብል ኢሉ፡ ካብኡ ብጃልባ ነቒሉ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ግና ብዛዕባ እዚ ሰሚዖም፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዓብዎ።+ 14 ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ እሞ ደንገጸሎም፡+ ሕሙማቶም እውን ኣሕወየ።+ 15 ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ ግና፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ጽምውቲ እያ፡ ግዜ ድማ ከይዱ እዩ እሞ፡ ነዞም ህዝቢ ናብ ኣቝሻት ከይዶም ዚብላዕ ኪዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።+ 16 የሱስ ግና፡ “ኪኸዱ ኣየድልዮምን እዩ፣ ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” በሎም። 17 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብዚ ብዘይካ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን፡ ገለ እኳ የብልናን” በልዎ። 18 ንሱ እውን፡ “ናባይ ኣምጽእዎ” በሎም። 19 ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ድማ ናብ ሰማይ ጠመተ እሞ ባሪኹ፡+ ነተን እንጌራ ቘሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም። 20 ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፡ 12 መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።+ "21 እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት 5,000 ሰብኡት ነበሩ።+" 22 ብኡብኡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኸም ዚድይቡ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሰናብቶም ድማ፡ ናብ ስግር ከም ዚቕድምዎ ገበረ።+ 23 ነቶም ህዝቢ ኣሰናቢቱ ኸኣ፡ ኪጽሊ ኢሉ በይኑ ናብ ከረን ደየበ።+ ምስ መሰየ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። 24 ሽዑ፡ እታ ጃልባ ኻብ ምድሪ ኣማእታት ሜተራት* ርሒቓ ነበረት፣ ንፋስ ኣንጻሮም ብምንባሩ ድማ፡ ምስ ማዕበል ትቃለስ ነበረት። 25 ንሱ ግና ብባሕረ ባሕሪ እናኸደ፡ ኣብ ራብዓይ ክፋል ሓለዋ ለይቲ* ናባታቶም በጽሐ። 26 እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ብባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ “ምትሃት እዩ!” እናበሉ ተረበሹ፣ ብፍርሂ ድማ ኣእወዩ። 27 የሱስ ግና ብኡብኡ፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” ኢሉ ተዛረቦም።+ 28 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ክመጸካ ኣዝዘኒ” ኢሉ መለሰሉ። 29 ንሱ ድማ፡ “ንዓ!” በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ ናብ የሱስ ከደ። 30 ህቦብላ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሀ። ኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ!” ኢሉ ኣእወየ። 31 የሱስ ብኡብኡ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ፡ “ኣታ ጐደሎ ዝእምነቱ፡ ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧” በሎ።+ 32 ናብታ ጃልባ ምስ ደየቡ፡ እቲ ህቦብላ ንፋስ ሃድአ። 33 ሽዑ፡ እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ሰገዱሉ።* 34 ተሳጊሮም ከኣ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጹ።+ 35 እቶም ሰብ እቲ ዓዲ ምስ ኣለለይዎ፡ ናብ ኵሉ እቲ ጐደቦታት ለኣኹ፣ ኵሎም ሕሙማት ድማ ኣምጽኡሉ። 36 ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ ለመንዎ፣+ ኵሎም እቶም ዝተንከዩ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ሓወዩ። 9 ናብ ጃልባ ደዪቡ ተሳገረ፡ ናብ ከተማኡ ድማ መጸ።+ 2 እንሆ ኸኣ፡ ልሙስ ሰብኣይ ኣብ ቃሬዛ ገይሮም ኣምጽኡሉ። የሱስ ድማ፡ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ ልሙስ፡ “ኣጆኻ ወደይ፣ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።+ 3 ገለ ጸሓፍቲ ኸኣ ብልቦም፡ “እዚ ይጻረፍ ኣሎ” በሉ። 4 የሱስ ድማ፡ ሓሳባቶም ፈሊጡ፡ “ስለምንታይ ብልብኹም እከይ ትሓስቡ ኣለኹም፧+ 5 ኣየናይ ይቐልል፧ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ፡ ወይስ፡ ‘ተንስእ እሞ ኺድ’ ምባል፧+ 6 ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡—” ኢሉ ነቲ ልሙስ፡ “ተንስእ፡ ቃሬዛኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ” በሎ።+ 7 ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። 8 እቶም ህዝቢ ነዚ ርእዮም ፈርሁ፡ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ንሰብ ዝሃበ ኣምላኽ ድማ ኣሞገስዎ። 9 የሱስ ካብኡ ኺሓልፍ ከሎ ኸኣ፡ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ንዕኡ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ሰዓቦ።+ 10 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን መጺኦም፡ ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።+ 11 ፈሪሳውያን ግና ነዚ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ እዩ መምህርኩም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧” በልዎም።+ 12 ንሱ ግና ሰሚዑ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።+ 13 ኪዱ እሞ፡ ‘መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ምሕረት እየ ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ ተምሃሩ።+ ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ክጽውዕ እየ መጺአ” በሎም። 14 ድሕርዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ናብኡ መጺኦም፡ “ንሕናን ፈሪሳውያንን እንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ዘይጾሙ ስለምንታይ እዮም፧” በልዎ።+ 15 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣዕሩኽ መርዓዊ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ዚሓዝኑሉ ምኽንያት ኣለዎም ድዩ፧+ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ግና ኪመጻ እየን፣+ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ እዮም። 16 ማይ ዘይጠዓመ ቝራጽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ዓለባ ነቲ ኽዳን ይምንጭቶ፡ እቲ ቐዳድ ከኣ ዝገደደ ይኸውን።+ 17 ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን እዮም፣ እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፣ ክልቲኡ ድማ ይእርነብ።” 18 እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ ሓደ ሓለቓ ቐሪቡ፡ “ክሳዕ ሕጂ፡ ጓለይ ሞይታ ኽትከውን ኣለዋ፣ ግናኸ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ እሞ፡ ህያው ክትከውን እያ” እናበለ ሰገደሉ።*+ 19 ሽዑ የሱስ፡ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓቦ። 20 እንሆ ድማ፡ ን12 ዓመት ደም ዚፈስሳ ዝነበረት ሰበይቲ፡+ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት።+ 21 ከመይሲ፡ ብልባ፡ “ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንክየ፡ ክሓዊ እየ” ትብል ነበረት። 22 የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ “ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ” በላ።+ ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዛ፡ እታ ሰበይቲ ሓወየት።+ 23 የሱስ ናብ ቤት እቲ ሓለቓ ምስ ኣተወ፡ ነቶም ነፋሕቲ ሻምብቆን ዋይዋይ ዚብሉ ብዙሓት ሰባትን ረኣየ።+ 24 “እታ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ፡ ኣልግሱ” በሎም።+ ንሳቶም ከኣ ሰሓቕዎ። 25 እቶም ሰባት ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ነታ ጓል ኢዳ ሓዛ፡+ ንሳ እውን ተንስአት።+ 26 ዝናኡ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ዞባ ተዘርግሐ። 27 የሱስ ካብኡ ኺሓልፍ ከሎ፡ ክልተ ዕዉራት+ ዓው ኢሎም፡ “ኦ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና” እናበሉ ሰዓብዎ። 28 ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ፣ የሱስ ከኣ፡ “እዚ ኽገብር ከም ዝኽእልዶ ትኣምኑ ኢኹም፧”+ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “እወ ጐይታይ” ኢሎም መለሱሉ። 29 ሽዑ፡ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዒንቶም ተንከዮም።+ 30 ኣዒንቶም ከኣ ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ “ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ” ኢሉ ብጽኑዕ ኣጠንቀቖም።+ 31 ንሳቶም ግና፡ ወጺኦም ኣብ ኵሉ እቲ ዞባ ኣውረዩ። 32 ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሓደሮ ዓባስ ኣምጽኡሉ።+ 33 እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ።+ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን” ኢሎም ተገረሙ።+ 34 ፈሪሳውያን ግና፡ “ንኣጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም” በሉ።+ 35 የሱስ ከኣ ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረ፡ ብስራት መንግስቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ።+ 36 ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡+ ደንገጸሎም።+ 37 ሽዑ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።+ 38 ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ” በሎም።+ 27 ምስ ነግሀ፡ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ።+ 2 ኣሲሮም ወሲዶም ድማ፡ ኣሕሊፎም ንጲላጦስ እቲ ሹም ሃብዎ።+ 3 ሽዑ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ፡ ንሱ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ፡ ነቲ 30 ብሩር ድማ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን መለሶ፣+ 4 “ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ ሓጢአ” ድማ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ “እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ!” በልዎ። 5 ስለዚ፡ ነቲ ብሩር ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ። ከይዱ እውን ተሓንቀ።+ 6 ሊቃውንቲ ኻህናት ግና፡ ነቲ ብሩር ወሲዶም፡ “ዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ቅዱስ ቤት መዝገብ ኪኣቱ ኣይተፈቕደን” በሉ። 7 ምስ ተማኸሩ፡ ብእኡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን መሬት ሰራሕ ካይላ ዓደጉ። 8 ስለዚ፡ እታ መሬት እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ፡ “መሬት ደም” ትብሃል ኣላ።+ 9 ሽዑ፡ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ ከምዚ እተባህለ ተፈጸመ፦ “እቲ ገሊኦም ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ዋጋኡ ዝዀነ 30 ብሩር ወሲዶም፡ 10 ከምቲ የሆዋ* ዝኣዘዘኒ፡ ምእንቲ መሬት ሰራሕ ካይላ ሃቡ።”+ 11 የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ፣ እቲ ሹም ከኣ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ፡ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 12 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ኪኸስስዎ ኸለዉ ግና፡ ኣይመለሰን።+ 13 ሽዑ፡ ጲላጦስ፡ “ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉስ ኣይትሰምዕን ዲኻ፧” በሎ። 14 ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን፣ እቲ ሹም ድማ ኣዝዩ ተገረመ። 15 እቲ ሹም ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልምዲ ነበሮ።+ 16 ሽዑ፡ በርባን ዚብሃል ውሩይ እሱር ነበሮም። 17 ስለዚ፡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ፡ “ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስ፧” በሎም። 18 ከመይሲ፡ ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ፡ ጲላጦስ ፈሊጡ ነበረ። 19 ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ ብሰሩ ብዙሕ መከራ ረኺበ እየ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ ኣይትእቶ” ኢላ ለኣኸትሉ። 20 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ግና ነቲ ህዝቢ፡ ንበርባን ኪልምኑሉ፡+ የሱስ ግና ኪቕተል ሓበልዎም።+ 21 እቲ ሹም ከኣ መሊሱ፡ “ካብ ክልቲኦም፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧” በሎም። ንሳቶም፡ “ንበርባን” በሉ። 22 ጲላጦስ ድማ፡ “ነቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧” በሎም። ኵላቶም፡ “ይሰቐል!” በሉ።+ 23 ንሱ ኸኣ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ ክፉእ ገይሩ፧” በሎም። ንሳቶም ግና፡ “ይሰቐል!” እናበሉ ብዝያዳ ጨደሩ።+ 24 ጲላጦስ፡ እቲ ነገር ናዕቢ ኻብ ምልዕዓል ሓሊፉ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይጠቐመ ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ “ካብ ደም እዚ ሰብ እዚ ንጹህ እየ። ባዕላትኩም ፍለጡ” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። 25 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን” ኢሎም መለሱ።+ 26 ሽዑ፡ ንበርባን ፈትሓሎም፣ ንየሱስ ግና ኣግሪፉ፡+ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም።+ 27 ድሕርዚ፡ ወተሃደራት እቲ ሹም ንየሱስ፡ ናብ ቤት እቲ ሹም ኣእተውዎ፣ ብዘሎ ጭፍራ ወተሃደራት እውን ናብኡ ኣከቡ።+ 28 ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ፡ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ፣+ 29 ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ከኣ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፣ ኣብ የማናይ ኢዱ ድማ ሻምብቆ ኣትሓዝዎ። ኣብ ቅድሚኡ ተምበርኪኾም እውን፡ “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ” እናበሉ ኣላገጹሉ። 30 ጡፍ ከኣ በሉሉ፡+ ነቲ ሻምብቆ ወሲዶም ድማ ርእሱ ወቕዕዎ። 31 ምስ ኣላገጹሉ ኸኣ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ፣ ኪሰቕልዎ ድማ ወሰድዎ።+ 32 ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብሃል ቀሬናዊ ረኸቡ። ንዕኡ ድማ ጕንዲ ስቅያቱ* ኺጾረሉ ገደድዎ።+ 33 ጐልጎታ፡ ማለት ቦታ ቐረንቀራ፡ ናብ እትብሃል ቦታ ምስ በጽሑ፡+ 34 ምስ ሓሞት* እተሓወሰ ወይኒ ኺሰቲ ሃብዎ፣+ ንሱ ግና ጥዒሙ፡ ምስታዩ ኣበየ። 35 ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ንኽዳውንቱ ዕጫ ኣውዲቖም ተማቐልዎ፣+ 36 ኣብኡ ተቐሚጦም እውን ሓለውዎ። 37 ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ፡ “እዚ፡ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ክሱ ኣንበሩ።+ 38 ሽዑ፡ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ፡ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ተሰቕሉ።+ 39 ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ ርእሶም እናነቕነቑን+ ከምዚ እናበሉን ጸረፍዎ፦+ 40 “ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡+ ርእስኻ ኣድሕን! ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ ጕንዲ ስቅያት* ውረድ!”+ 41 ከምኡ ድማ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጸሓፍትን ዓበይትን ኰይኖም፡ ከምዚ እናበሉ ኣላገጹሉ፦+ 42 “ንኻልኦት ኣድሒንዎም፣ ንርእሱ ግና ኬድሕና ኣይከኣለን! ንሱ ንጉስ እስራኤል+ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ ጕንዲ ስቅያት* ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ንኣምን። 43 ብኣምላኽ ተኣሚኑ* እዩ፣ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ’+ ኢሉ እዩ እሞ፡ ይደልዮ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የናግፎ።”+ 44 እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲ እውን፡ ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።+ 45 ካብ ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣትሒዙ፡ ክሳዕ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ።+ 46 ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ፡ የሱስ፡ “ኤሊ፡ ኤሊ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ፣ እዚ ኸኣ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ማለት እዩ።+ 47 ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ነዚ ሰሚዖም፡ “እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ” በሉ።+ 48 ብኡብኡ፡ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ወሲዱ፡ ኣብ መጺጽ ወይኒ ኣሊኹ፡ ብሻምብቆ ገይሩ ኺሰትዮ ሃቦ።+ 49 እቶም ዝተረፉ ግና፡ “ሕደግዎ! ኤልያስ ኬድሕኖ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እስከ ንርአ” በሉ። 50 የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ፡ መንፈሱ ኣሕሊፉ ድማ ሃበ።*+ 51 እንሆ ድማ፡ መጋረጃ መቕደስ+ ካብ ላዕሊ ኽሳብ ታሕቲ+ ኣብ ክልተ ተተርተረ፣+ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፣ ኣኻውሕ ከኣ ተጨድዱ። 52 መቓብራት እውን ተኸፍቱ፣ ሬሳታት ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ቕዱሳት ተንስኡ፣ 53 (ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ሰባት ካብቲ መቓብራት ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፣) ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ። 54 እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ምስኡ ንየሱስ ዚሕልዉ ዝነበሩን ግና፡ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድርን ነቲ ዝዀነ ነገራትን ምስ ረኣዩ፡ “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” እናበሉ ኣዝዮም ፈርሁ።+ 55 ንየሱስ ኬገልግላኦ ኢለን ካብ ገሊላ ዘሰነያኦ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ፣+ 56 ካባታተን ከኣ ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያእቆብን ዮሴን ኣደ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።+ 57 ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ ድማ፡ ዮሴፍ ዝስሙ ወደ መዝሙር የሱስ ዝዀነ ሃብታም ብዓል ኣርማትያስ መጸ።+ 58 ንሱ ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ፡ ሬሳ የሱስ ለመነ።+ ሽዑ፡ ጲላጦስ ኪውሃቦ ኣዘዘ።+ 59 ዮሴፍ ከኣ ነቲ ሬሳ ወሲዱ፡ ብጽሩይ ቅጭን በፍታ ገነዞ፣+ 60 ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ድማ ኣንበሮ።+ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ነቲ ኣፍ መቓብር ምስ ዓጸዎ ኸኣ፡ ከደ። 61 ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይቲ ማርያምን ግና፡ ኣብ መንጽር እቲ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።+ 62 ንጽብሒቱ፡ ድሕሪ እታ መዓልቲ ምድላው፡+ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ተኣከቡ፣ 63 ከምዚ ድማ በሉ፦ “ጐይታና፡ እቲ መስሓቲ ብህይወቱ ኸሎ፡ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና።+ 64 ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ፡+ ንህዝቢ፡ ‘ካብ ምዉታት ተንሲኡ’ ኸይብሉስ፡ ካብቲ ቐዳማይ ከኣ ዳሕራይ ስሕተት ከይገድድሲ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ብጽኑዕ ኪሕሎ ኣዝዝ።” 65 ጲላጦስ ከኣ፡ “ሓለውቲ እነዉልኩም። ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ብጽኑዕ ሓልዉ” በሎም። 66 ከይዶም ከኣ፡ ነቲ እምኒ ብምሕታምን ሓለውቲ ብምግባርን፡ ነቲ መቓብር ብጽኑዕ ሓለውዎ። 13 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። 2 ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብኡ ተኣከበ፣ ስለዚ፡ ኣብ ጃልባ ደዪቡ ተቐመጠ፣ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብቲ ገምገም ደው ኢሉ ነበረ።+ 3 ሽዑ፡ ብምሳሌታት ከምዚ እናበለ ብዙሕ ነገሮም፦+ “እንሆ፡ ሓደ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።+ 4 ኪዘርእ ከሎ ኸኣ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፣ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዓኦ።+ 5 ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ፣ ዓሚቝ ሓመድ ስለ ዘይብሉ ድማ፡ ብኡብኡ በቘለ።+ 6 ጸሓይ ምስ በረቐት ግና ሓረረ፣ ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ነቐጸ። 7 ገሊኡ እውን ኣብ ማእከል ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ኣእሻዅ ድማ ዓብዩ ሓነቖ።+ 8 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ እሞ፡ ገሊኡ 100፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ ድማ 30 ዕጽፊ ፈረየ።+ 9 እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”+ 10 ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ መጺኦም፡ “ስለምንታይ ኢኻ ብምሳሌታት እትዛረቦም፧” በልዎ።+ 11 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ንዓኻትኩም፡ እቲ ቕዱስ ምስጢራት መንግስተ ሰማያት ክትርድኡ ተዋሂቡኩም ኣሎ፣+ ንዓታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12 ከመይሲ፡ ንዘለዎ ይውሰኾ፡ ይበዝሓሉ ኸኣ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ።+ 13 እናረኣዩ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑ ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እውን እዮም እሞ፡ ስለዚ እየ ብምሳሌታት ዝዛረቦም።+ 14 ትንቢት ኢሳይያስ ከኣ ኣባታቶም ይፍጸም ኣሎ፡ ከምዚ ዚብል፦ ‘ብርግጽ ክትሰምዑ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተውዕሉን ኢኹም፣ ብርግጽ እውን ክትርእዩ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተብህሉን ኢኹም።+ 15 ከመይሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ደንዚዙ ኣሎ እሞ፡ ብኣዒንቶም ከይርእዩ፡ ብኣእዛኖም ከይሰምዑ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነ እውን ከየሕውዮምሲ፡ ብኣእዛኖም ሰሚዖም ምላሽ ኣይሃቡን፡ ኣዒንቶም ከኣ ዓሚቶም እዮም።’+ 16 “ግናኸ፡ ኣዒንትኹም ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም ከኣ ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ሕጉሳት እየን።+ 17 ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመንዮምሲ ኣይረኣይዎን፡+ ነዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ኪሰምዑ ተመንዮም እውን ኣይሰምዕዎን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 18 “እምበኣር፡ ምሳሌ እቲ ዘራኢ ስምዑ።+ 19 ቃል መንግስቲ ሰሚዑ ንዘየስተውዕሎ ዘበለ፡+ እቲ እኩይ መጺኡ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርአ ይምንጥሎ፣ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርአ እዚ እዩ።+ 20 እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርአ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ።+ 21 ኣብኡ ሱር ስለ ዘይሰደደ ግና፡ ንግዜኡ ጥራይ እዩ ዚጸንሕ፣ ስለቲ ቓል፡ ጸበባ ወይ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ ድማ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። 22 እቲ ኣብ ኣእሻዅ እተዘርአ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕ እዩ፣ ጭንቀት እዚ ስርዓትን*+ ምትላል ሃብትን ግና፡ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ዘይፈሪ ድማ ይኸውን።+ 23 እቲ ኣብ ጽቡቕ ሓመድ እተዘርአ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ሰሚዑ ዜስተውዕሎ እዩ፣ ንሱ ፍረ ይፈሪ፣ ገሊኡ 100፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ 30 ዕጽፊ ድማ ይህብ።”+ 24 ካልእ ምሳሌ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ ትመስል። 25 ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ። 26 እቲ ብቝሊ ዓብዩ ፍረ ምስ ፈረየ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ እውን ተራእየ። 27 ባሮት እቲ ብዓል ቤት መጺኦም ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጺኡ፧’ በልዎ። 28 ንሱ ኸኣ፡ ‘ነዝስ ጸላኢ እዩ ገይርዎ’ በሎም።+ እቶም ባሮት ድማ፡ ‘እሞ ደኣ ኼድናዶ ኽንኣርዮ ትደሊ ኢኻ፧’ በልዎ። 29 ንሱ ኸኣ፡ ‘ነቲ ኽርዳድ ክትኣርዩ ኸለኹም፡ ምስኡ ነቲ ስርናይ ከይትምሕውዎስ፡ ኣይፋልኩምን ደኣ። 30 ክሳዕ ቀውዒ፡ ክልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ፣ ብግዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብእንዳእቲ ገይሮም ኪኣስርዎ፡ ድሕሪኡ ነቲ ስርናይ ናብ ማዕከነይ ኪእክብዎ ኽነግሮም እየ’ በሎም።”+ 31 ካልእ ምሳሌ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ ትመስል።+ 32 ንሳስ ካብ ኵሉ ዘርኢ ዝደቐቐት እያ፣ ምስ ዓበየት ግና፡ ካብ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን፣ ስለዚ ኸኣ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ይሰፍራ።” 33 ካልእ ምሳሌ እውን መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ስፍሪ* ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል።”+ 34 የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ እዚ ዅሉ ብምሳሌታት ነገሮም። ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ፣+ 35 ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ብነብዪ፡ “ኣፈይ ብምሳሌታት ክኸፍት እየ፣ ካብ ምስራት* ኣትሒዙ ተሓቢኡ ዝነበረ ኽነግር እየ” ተባሂሉ ዝነበረ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ 36 ሽዑ፡ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነዎም፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ናብኡ ቐሪቦም፡ “ምሳሌ እቲ ኣብ ግራት ዝበቘለ ኽርዳድ ግለጸልና” በልዎ። 37 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ዘራኢ ጽቡቕ ዘርኢ፡ ወዲ ሰብ እዩ፣ 38 እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፣+ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፣ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም፣+ 39 እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ። እቲ ቐውዒ፡ መደምደምታ እቲ ስርዓት* እዩ፣ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። 40 እምበኣር፡ ከምቲ ኽርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ዚነድድ፡ ኣብ መደምደምታ ስርዓት* እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 41 ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ መዐንቀፊ ዘበለን ጠሓስቲ ሕጊ ዘበሉን ካብ መንግስቱ ኺኣርዩ እዮም፣ 42 ናብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም።+ ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም። 43 ሽዑ፡ ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ደሚቖም ኪበርሁ እዮም።+ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። 44 “መንግስተ ሰማያት፡ ኣብ ሓንቲ ግራት ተሓቢኡ ዝነበረ እሞ፡ ሰብ ረኺቡ ዝሓብኦ መዝገብ ትመስል። ስለ እተሓጐሰ ድማ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፡ ነታ ግራት እቲኣ ዓደጋ።+ 45 “መንግስተ ሰማያት ጽቡቕ ሉላት ዚደሊ ተጓዓዚ ነጋዳይ እውን ትመስል። 46 ሓንቲ ኽብርቲ ሉል ምስ ረኸበ፡ ብኡብኡ ኸይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዓደጋ።+ 47 “መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ፡ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ እውን ትመስል። 48 ምስ መልአት፡ ጐቲቶም ናብ ገምገም ኣውጽእዋ፣ ተቐሚጦም ከኣ ጸጽቡቑ ናብ ኣቕሑ ኣከቡ፡+ ሐሕማቑ+ ኸኣ ደርበይዎ። 49 ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓት* እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። መላእኽቲ ወጺኦም፡ ነቶም እኩያት ካብ መንጎ ጻድቃን ኪፈልይዎም እዮም፣ 50 ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ኸኣ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም። 51 “ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ፧” ንሳቶም ድማ፡ “እወ” በልዎ። 52 ንሱ ኸኣ፡ “እምበኣርከስ፡ ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት እተማህረ ዅሉ መምህር፡ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል” በሎም። 53 የሱስ ነዚ ምሳሌታት እዚ ምስ ወድአ፡ ካብኡ ነቐለ። 54 ናብ ዓዱ ምስ መጸ ኸኣ፡+ ኣብ ምኵራቦም መሃሮም፣ ንሳቶም ስለ እተገረሙ ድማ፡ ከምዚ በሉ፦ “እዚ ሰብ እዚ፡ ነዚ ጥበብን ነዚ ግብርታት ሓይልን ካበይ ረኺብዎ፧+ 55 እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧+ ኣዲኡስ ማርያም እትብሃል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱኸ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ደይኰኑን፧+ 56 ኣሓቱስ ኵላተን ምሳናዶ የለዋን፧ ንሱ ደኣ ነዚ ዅሉ ኻበይ ረኺብዎ፧”+ 57 ብእኡ ድማ ተዓንቀፉ።+ የሱስ ግና፡ “ነብዪ ብዘይካ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዓቕን እዩ” በሎም።+ 58 ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ፡ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን። 5 ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ፣ ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ መጹ። 2 ሽዑ፡ ኣፉ ኸፊቱ፡ ከምዚ እናበለ መሃሮም፦ 3 “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡* መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።+ 4 “ዚሓዝኑ፡ ኪጸናንዑ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።+ 5 “ልኡማት*+ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።+ 6 “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡+ ኪጸግቡ*+ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። 7 “መሓርቲ+ ኺምሓሩ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። 8 “ጽሩይ ዝልቦም፡+ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። 9 “ገበርቲ ሰላም፡*+ ውሉዳት ኣምላኽ ኪብሃሉ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። 10 “ምእንቲ ጽድቂ ዚስጐጉ፡+ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም። 11 “ምእንታይ ምስ ዚጸርፉኹምን+ ምስ ዚሰጕጉኹምን+ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት ምስ ዚዛረቡልኩምን፡+ ሕጉሳት ኢኹም። 12 ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት እውን ከምኡ ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡+ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም+ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም።+ 13 “ንስኻትኩም ጨው+ ምድሪ ኢኹም፣ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፊኡ ግና፡ ብኸመይ ጨዋም ይኸውን፧ ብሰብ ኪርገጽ ናብ ግዳም ኪድርበ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይጠቅምን እዩ።+ 14 “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም።+ ኣብ ከረን እተደኰነት ከተማ ኽትክወል ኣይትኽእልን እያ። 15 መብራህቲ ኣብሪሆም ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዘይኰነስ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል እዮም ዚሰቕልዎ፣ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ድማ የብርህ።+ 16 ከምኡ ኸኣ፡ ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡+ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡+ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።+ 17 “ንሕጊ ዀነ ንነብያት ክስዕር ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ክፍጽም ደኣ እምበር፡ ክስዕር ኣይመጻእኩን።+ 18 ሰማይን ምድርን እኳ እንተ ዚሓልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕጊ ሓንቲ ንእሽቶ ፊደል ወይ ሓንቲ ሕንጻጽ ፊደል እኳ ኣይክትሓልፍን እያ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 19 እምበኣር፡ ሓንቲ ኻብዘን ንኣሽቱ ትእዛዛት ዚጥሕስ፡ ንሰብ ከኣ ከምኡ ዚምህር ዘበለ፡ ምስ መንግስተ ሰማያት ብእተተሓሓዘ ንእሽቶ ኺብሃል እዩ። እናገበረ ዚምህር ዘበለ ግና፡ ምስ መንግስተ ሰማያት ብእተተሓሓዘ ዓብዪ ኺብሃል እዩ። 20 ጽድቅኹም ካብ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እንተ ዘይበዚሑስ፡+ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 21 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘ዚቐትል ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ እሞ፡+ ኣይትቕተል’+ ከም እተባህሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም። 22 ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ብሓዉ ተቘጢዑ+ ዚነብር ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ፣ ንሓዉ ብሕማቕ ቃል ዜዋርዶ ዘበለ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ፣ ‘ኣታ ዘይትረብሕ ዓሻ’ ዚብሎ ዘበለ ኸኣ፡ ንገሃነም* ሓዊ ኺፍረዶ ይኽእል እዩ።+ 23 “እምበኣር፡ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡+ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ 24 መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።+ 25 “ነቲ ምስ መባእስትኻ ዘሎካ ነገር ገና ምስኡ ኣብ መገዲ ኸለኻ፡ ቀልጢፍካ ኣደቅሶ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ መባእስትኻ ንፈራዲ፡ እቲ ፈራዲ እውን ንጊልያኡ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፣ ንስኻ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽትድርበ ኢኻ።+ 26 እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም* ክሳዕ እትኸፍል፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። 27 “‘ኣይትዘሙ’+ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። 28 ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡+ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘምዩ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 29 የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ፡* ጐጥጒጥካ ደርብያ።+ ብዘሎ ሰብነትካ ናብ ገሃነም* ካብ ዚድርበ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።+ 30 የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሒታትካ* እውን፡ ቈሪጽካ ደርብያ።+ ብዘሎ ሰብነትካ ኣብ ገሃነም* ካብ ዚኣቱ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።+ 31 “ብተወሳኺ፡ ‘ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ፡ ጽሑፍ መፍትሒኣ ይሃባ’ ተባሂሉ እዩ።+ 32 ኣነ ግና፡ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና* ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዅሉ፡ ንዝሙት የቃልዓ፣ ፍትሕቲ ዚምርዖ ዘበለ ድማ ይዝሙ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 33 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘መብጽዓኻ ንየሆዋ* ሃብ ደኣ እምበር፡ ብኸንቱ ኣይትምሓል’+ ከም እተባህሎም እውን ሰሚዕኩም ኣለኹም። 34 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ከቶ ኣይትምሓሉ፣+ ብሰማይ ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ 35 ብምድሪ ዀነ፡ ድኳ እግሩ እያ እሞ፡+ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሓሉ።+ 36 ሓንቲ ጸጕሪ ኸተጻዕድዉ ወይ ከተጸልሙ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ብርእስኹም እውን ኣይትምሓሉ። 37 ‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን።+ ካብዚ ዝሓለፈ፡ ካብቲ እኩይ እዩ።+ 38 “‘ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም።+ 39 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ንእኩይ ኣይትቃወምዎ፣ የግዳስ፡ የማነይቲ ምዕጕርትኻ ንዚጸፍዓካ ዘበለ፡ እታ ኻልአይቲ ምለሰሉ።+ 40 ሓደ ሰብ ኪኸስሰካን ቀምሽካ ኺወስድን እንተ ደልዩ፡ ክዳንካ እውን ሕደገሉ፣+ 41 ሓደ ብዓል ስልጣን ከተገልግሎ ኢሉ ሓደ ምዕራፍ* ምስኡ ኽትከይድ እንተ ገዲዱካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። 42 ንዚልምነካ ሃቦ፣ ካባኻ ኺልቃሕ* ንዚደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።+ 43 “‘ብጻይካ ኣፍቅር፡+ ጸላኢኻ ድማ ጽላእ’ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። 44 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡+ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ፣+ 45 ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣+ ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ።+ 46 ነቶም ዜፍቅሩኹም እንተ ኣፍቂርኩም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧+ ኣከብቲ ቐረጽከ ኸምኡ ይገብሩዶ የለዉን፧ 47 ንኣሕዋትኩም ጥራይ ሰላም እንተ ኢልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ጌርኩም፧ ኣህዛብከ ኸምኡ ይገብሩዶ የለዉን፧ 48 እምበኣር፡ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ፍጹማት* ኩኑ።+ 21 ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ፡ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ እትርከብ ቤት-ፋጌ ምስ በጽሑ፡ ሽዑ፡ የሱስ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ፣+ 2 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣብ ማዕዶኹም ናብ ዘላ ቝሸት ኪዱ፣ ብኡብኡ ኸኣ እስርቲ ኣድጊ፡ ጻዕብ ድማ ምስኣ ኽትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። 3 ዝዀነ ሰብ ገለ እንተ ኢሉኩም፡ ‘ጐይታ ደልይዎም ኣሎ’ በልዎ። ብኡብኡ ኸኣ ኪሰድዶም እዩ።” 4 እዚ ዝዀነ፡ እቲ ብነብዪ ኣቢሉ ኸምዚ ብምባል እተዘርበ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ፦ 5 “ንጓል ጽዮን፡ ‘እንሆ፡ ንጉስኪ ልኡም፡+ ኣብ ኣድጊ፡ እወ፡ ኣብ ጻዕብ፡ ኣብ ውላድ መጽዓኛ ተወጢሑ+ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ’ በልዋ።”+ 6 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ።+ 7 ኣድግን ጻዕባን ከኣ ኣምጽኡ፣ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፣ ንሱ ኸኣ ተወጥሐ።+ 8 መብዛሕትኦም ካብቶም ህዝቢ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፣+ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨናፍር እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ። 9 እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ዝነበሩ ህዝቢ፡ “ንወዲ ዳዊት፡ በጃኻ ኣድሕን!+ ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!+ ኣብ ላዕሊ ዘለኻ በጃኻ ኣድሕኖ!” እናበሉ ጨደሩ።+ 10 ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ብምልእታ እታ ኸተማ፡ “እዚ መን እዩ፧” እናበለት ዕግርግር በለት። 11 እቶም ህዝቢ ድማ፡ “እዚ ነብዪ የሱስ+ ብዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ” ይብሉ ነበሩ። 12 የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፡ ንዅሎም እቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚዕድጉን ዝነበሩ ሰጐጎም፣ ሰደቓታት ኣሽረፍትን መናብር እቶም ረገቢት ዚሸጡ ዝነበሩን ከኣ ገልበጠ።+ 13 “‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ’+ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ትገብርዋ ኣለኹም” ድማ በሎም።+ 14 ዕዉራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብታ ቤተ መቕደስ ናብኡ መጹ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 15 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ድንቂ ተግባራትን ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ፡ “ንወዲ ዳዊት፡ በጃኻ ኣድሕን!”+ እናበሉ ዚጭድሩ ኣወዳትን ምስ ረኣዩ፡ ተቘጥዑ+ 16 እሞ፡ “እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ ኣለኻ፧” በልዎ። የሱስ ከኣ፡ “እወ። ‘ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ውዳሰ ኣውጺእካ’ ዚብል ከቶዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧” በሎም።+ 17 ሓዲግዎም ድማ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ናብ ቢታንያ ኸደ፣ ኣብኣ ኸኣ ሓደረ።+ 18 ኣንጊሁ ናብታ ኸተማ ኺምለስ ከሎ፡ ጠመየ።+ 19 ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ* ርእዩ ናብኣ ኸደ፣ ኣቝጽልቲ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ስለ ዘይረኸበላ፡+ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ” በላ።+ እታ ኦም በለስ ከኣ ብቕጽበት ነቐጸት። 20 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ “እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ብቕጽበት ነቒጻ፧” እናበሉ ተገረሙ።+ 21 የሱስ ከኣ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እንተ ኣሚንኩምን እንተ ዘይተጠራጢርኩምን፡ ነዛ ኦም በለስ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ኸኣ ተደርበ’ እኳ እንተ ኢልኩምዎ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 22 ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዘበለ ድማ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም።+ 23 ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኺምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧ እዚ ስልጣን እዚኸ መን ሂቡካ፧” በልዎ።+ 24 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እውን ሓንቲ ነገር ክሓትተኩም። እንተ ነጊርኩምኒ፡ ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ፦ 25 ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ ነይራ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧” ኢሉ መለሰሎም። ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ።+ 26 ‘ካብ ሰብ’ እንተ ኢልና ግና፡ ኵላቶም ንዮሃንስ ከም ነብዪ ይቘጽርዎ እዮም እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ።” 27 ስለዚ፡ ንየሱስ፡ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ። 28 “እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ‘ወደየ፡ ሎሚ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ወፊርካ ዕየ’ በሎ። 29 ንሱ ኸኣ፡ ‘እምቢ’ ኢሉ መለሰ፣ ደሓር ግና ተጣዒሱ፡ ወፈረ። 30 ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ፡ ከምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ሕራይ ጐይታይ’ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። 31 ካብ ክልቲኦምሲ፡ ኣየናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧” ንሳቶም ከኣ፡ “እቲ ቐዳማይ” በሉ። የሱስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣከብቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ይቕድሙኹም ኣለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 32 ከመይሲ፡ ዮሃንስ ብመገዲ ጽድቂ ናባኻትኩም እኳ እንተ መጸ፡ ኣይኣመንኩምዎን። ኣከብቲ ቐረጽን ኣመናዝርን ግና ኣሚኖምዎ፣+ ንስኻትኩም ከኣ ነዚ እኳ ምስ ረኣኹም፡ ምእንቲ ኽትኣምንዎ ደሓር ኣይተጥዓስኩምን። 33 “ካልእ ምሳሌ ስምዑ፦ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል መሬት ነበረ፣+ ንሱ ድማ ብሓጹር ሓጸሮ፡ መጽመቝ ወይኒ ዀዓተሉ፡ ግምቢ ሰርሓሉ፡+ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ* ኸኣ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።+ 34 ግዜ ፍርያት ምስ በጽሐ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ኢሉ፡ ንባሮቱ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኾም። 35 እቶም ሓረስቶት ግና፡ ነቶም ባሮት ሒዞም፡ ንሓደ ወቕዕዎ፡ ንሓደ ቐተልዎ፡ ንሓደ ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ 36 ከም ብሓድሽ፡ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ፣ ንዓታቶም እውን ከምኡ ገበርዎም።+ 37 ኣብ መወዳእታ፡ ‘ንወደይሲ ኺሓፍርዎ እዮም’ ኢሉ ወዱ ናባታቶም ለኣኸ። 38 እቶም ሓረስቶት ነቲ ወዲ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ ‘እዚ እቲ ወራሲ እዩ።+ ንዑ ንቕተሎ እሞ፡ ርስቱ ንውሰድ!’ ተባሃሃሉ። 39 ሒዞም ድማ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ።+ 40 እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነዞም ሓረስቶት እዚኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧” 41 ንሳቶም ከኣ፡ “ክፉኣት ስለ ዝዀኑ፡ ብኽፉእ ኬጥፍኦም እዩ፣ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ብግዜኡ ፍሪኡ ንዚህቡ ኻልኦት ሓረስቶት ብመገስ ኪህቦም እዩ” በልዎ። 42 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ።+ እዚ ኻብ የሆዋ* እዩ ዀይኑ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ’ ዚብልሲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትዶ ኸቶ ኣየንበብኩምን፧+ 43 ስለዚ ኸኣ እየ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ተወሲዳ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢ ኽትውሃብ እያ ዝብለኩም ዘለኹ። 44 እቲ ኣብዚ እምኒ እዚ ዚወድቕ ኪሰባበር እዩ።+ ንሱ ዚወድቆ ድማ ኪሕምሸሽ እዩ።”+ 45 ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምሳሌታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረበ ፈለጡ።+ 46 ኪሕዝዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይቘጽርዎ ስለ ዝነበሩ፡ ንዓታቶም ፈርሁ።+ 15 ድሕርዚ፡ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡+ 2 “ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ቀዳሞት ዚጥሕሱ፧ ንኣብነት፡ ቅድሚ ምብላዖም ኣእዳዎም ኣይሕጸቡን* እዮም” በልዎ።+ 3 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ኢልኩም ትእዛዝ ኣምላኽ እትጥሕሱ፧+ 4 ንኣብነት፡ ኣምላኽ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡’+ ከምኡ ድማ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሕማቕ ዚዛረብ* ይቀተል’ ኢሉ እዩ።+ 5 ንስኻትኩም ግና፡ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ፡ “እቲ ኻባይ እትረኽቦ ጥቕሚ፡ መባእ ገይረዮ እየ” ዚብል፡+ 6 ንኣቦኡ ኬኽብሮ ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ። እምበኣር፡ ምእንቲ ስርዓትኩም፡ ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ጌርኩምዎ ኣለኹም።+ 7 ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦+ 8 ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። 9 ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።’”+ 10 ነቶም ህዝቢ ጸዊዑ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ስምዑን ኣስተውዕሉን፦+ 11 ንሰብ ዜርክሶ፡ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ብኣፍ ዚኣቱስ ኣይኰነን ዜርክሶ።”+ 12 ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ “ፈሪሳውያን ንዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዓንቀፉስ ትፈልጥ ዲኻ፧” በልዎ።+ 13 ንሱ ግና፡ “ሰማያዊ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ተኽሊ ኺምንቈስ እዩ። 14 ሕደግዎም፡ ዕዉራት መራሕቲ እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መሪሕዎ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” ኢሉ መለሰ።+ 15 ጴጥሮስ ድማ፡ “ነዛ ምሳሌ እዚኣ ተርጕመልና” በሎ። 16 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም እውንዶ ገና ኣይትርድኡን ኢኹም፧+ 17 ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ፡ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 18 እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና፡ ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ።+ 19 ንኣብነት፡ ካብ ልቢ፡ ክፉእ ሓሳብ፡+ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡* ስርቂ፡ ምስክርነት ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ። 20 እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሓጽባ* ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን እዩ።” 21 የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ዞባታት ጢሮስን ሲዶንን ከደ።+ 22 እንሆ ድማ፡ ካብቲ ዞባ እቲ ዝዀነት ሓንቲ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ መጺኣ፡ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ። ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ” እናበለት ጨርሐት።+ 23 ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ “እናጨርሐት ደድሕሬና ትመጽእ ኣላ እሞ፡ ኣፋንዋ” ኢሎም ለመንዎ። 24 ንሱ ግና፡ “ብዘይካ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል፡ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ።+ 25 እታ ሰበይቲ ግና ቀሪባ፡ “ጐይታይ፡ ርድኣኒ” እናበለት ሰገደትሉ።* 26 ንሱ ኸኣ፡ “እንጌራ ውሉዳት ኣልዒልካ ንዀራኹር ምድርባይ ግቡእ ኣይኰነን” ኢሉ መለሰ። 27 ንሳ ግና፡ “እወ ጐይታይ፡ ኰራኹር እውን ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለት።+ 28 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፣ ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ” ኢሉ መለሰላ። ጓላ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዛ ሓወየት። 29 የሱስ ካብኡ ነቒሉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ፣+ ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ፡ ኣብኡ ተቐመጠ። 30 ሽዑ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ሓንካሳትን ቈራያትን ዕዉራትን ዓባሳትን ብዙሓት ካልኦትን ሒዞም ናብኡ ቐረቡ፣ ኣብ ጥቓ እግሩ ድማ ኣንበርዎም፣ ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም።+ 31 እቶም ህዝቢ ድማ፡ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራያት ኪሓውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕዉራት ኪርእዩ ምስ ረኣዩ፡ ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣሞገስዎ።+ 32 የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበሩ፡ ዚብላዕ እውን ስለ ዘይብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ።+ ኣብ መገዲ ምእንቲ ኸይሕለሉ ጾሞም ከሰናብቶም ኣይደልን እየ” በሎም።+ 33 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ኣብዛ ጽምውቲ ቦታ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧” በልዎ።+ 34 የሱስ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ሸውዓተ፡ ሒደት ንኣሽቱ ዓሳ እውን” በልዎ። 35 ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ድሕሪ ምእዛዙ፡ 36 ነተን ሸውዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም።+ 37 ኵላቶም በሊዖም ጸገቡ፣ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፡ ሸውዓተ ዓብዪ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።+ "38 እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ 4,000 ሰብኡት ነበሩ።" 39 ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበተ ኸኣ፡ ናብ ጃልባ ደዪቡ፡ ናብ ዞባ መገዳን* መጸ።+ 22 ከም ብሓድሽ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ ብምሳሌታት ተዛረቦም፦ 2 “መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል።+ 3 ነቶም ናብቲ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ድማ፡ ባሮቱ ለኣኸ፣ ንሳቶም ግና ምምጻእ ኣበዩ።+ 4 ከም ብሓድሽ፡ ‘ነቶም ዕዱማት፡ “እንሆ፡ ምሳሕ ኣዳልየ ኣለኹ፣ ኣብዑረይን ስቡሓተይን ተሓሪዶም፡ ኵሉ ኸኣ ተዳልዩ ኣሎ። ናብ መርዓ ንዑ” በልዎም’ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። 5 ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ሓደ ናብ ግራቱ፡ ሓደ ኸኣ ናብ ንግዱ ኸዱ፣+ 6 እቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ገፍዕዎምን ቀተልዎምን። 7 “እቲ ንጉስ ተቘጥዐ፣ ሰራዊቱ ልኢኹ ድማ፡ ነቶም ቀተልቲ ነፍሲ ቐተሎም፡ ከተማኦም እውን ኣንደደ።+ 8 ሽዑ ንባሮቱ፡ ‘መርዓስ ተዳልዩ እዩ፣ እቶም ዕዱማት ግና ብቑዓት ኣይኰኑን።+ 9 እምበኣር፡ ካብ ከተማ ናብ ዜውጽእ መገድታት ኬድኩም፡ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ዓድሙ’ በሎም።+ 10 እቶም ባሮት ከኣ፡ ናብ መገድታት ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንእኩያትን ንሕያዎትን ኣከብዎም፣ እቲ ኣዳራሽ መርዓ ድማ፡ በቶም ኣብ መኣዲ እተቐመጡ መልአ። 11 “እቲ ንጉስ ነቶም ኣጋይሽ ኪምርምር ምስ መጸ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብ ረኣየ። 12 ስለዚ፡ ‘ዓርከይ፡ ብዘይ ክዳን መርዓስ ከመይ ጌርካ ናብዚ ኣቲኻ፧’ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። 13 ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ፡ ‘ኢዱን እግሩን ኣሲርኩም ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ኸኣ ኪበክን ኣስናኑ ኺሕርቅምን እዩ’ በሎም። 14 “ዕዱማትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።” 15 ድሕርዚ፡ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ ብዘረባኡ ምእንቲ ኺጠልፍዎ ውዲት ኣለሙ።+ 16 ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከኣ፡+ ከምዚ ኢሎም ለኣኹሉ፦ “መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካን መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እትምህርን ንፈልጥ ኢና፣ ደጋዊ ትርኢት ሰብ ርኢኻ ስለ ዘይተዳሉ ድማ፡ ኣይዓጅበካን እዩ። 17 እምበኣር፡ እንታይ ይመስለካ፧ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ* ድዩ ወይስ ኣይፋልን፧ እስከ ንገረና።” 18 የሱስ ግና ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ “ኣቱም ግቡዛት፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም፧ 19 ሰልዲ ግብሪ እስከ ኣርእዩኒ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ዲናር* ኣምጽኡሉ። 20 ንሱ ድማ፡ “እዚ ምስልን ጽሕፈትን ናይ መን እዩ፧” በሎም። 21 ንሳቶም፡ “ናይ ቄሳር” በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ “እምበኣር፡ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በሎም።+ 22 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሓዲጎምዎ ድማ ከዱ። 23 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን+ ናብኡ መጺኦም ከምዚ ኢሎም ሓተትዎ፦+ 24 “መምህር፡ ሙሴ፡ ‘ሰብኣይ ውሉዳት ዘይብሉ እንተ ሞይቱ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ይውረሳ እሞ፡ ንሓዉ ዘርኢ የተንስኣሉ’ ኢሉ እዩ።+ 25 እምበኣር፡ ምሳና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ምስ ተመርዓወ፡ ሞተ፣ ውሉድ ስለ ዘይነበሮ፡ ሰበይቱ ንሓዉ ሓደጋ። 26 እቲ ኻልኣይን እቲ ሳልሳይን፡ ክሳዕ እቲ ሻውዓይ እውን ከምኡ ኣጋጠሞም። 27 ድሕሪ ዅላቶም፡ እታ ሰበይቲ ሞተት። 28 እሞ ደኣ፡ ንዅላቶም ሰበይቲ ዀይናቶም ነይራ እያ እሞ፡ ብትንሳኤ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” 29 የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣለኹም፣+ 30 ብትንሳኤስ ኣብ ሰማይ ከም ዘለዉ መላእኽቲ ደኣ እዮም ዚዀኑ እምበር፡ ኣይምርዓዉ ኣየመርዕዉ።+ 31 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ ኣምላኽ ከምዚ ኸም ዝበለኩምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 32 ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኢሉ እዩ።+ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን።”+ 33 እቶም ህዝቢ፡ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተገረሙ።+ 34 ፈሪሳውያን፡ ንሱ ንሰዱቃውያን ኣፎም ከም ዘትሓዞም ምስ ሰምዑ፡ ብሓደ ተኣኪቦም መጹ። 35 ካባታቶም ሓደ ፈላጥ ሕጊ፡ ኪፍትኖ ኢሉ ኸምዚ ኢሉ ሓተቶ፦ 36 “መምህር፡ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ዝዓበየት፧”+ 37 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን* ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።’+ 38 እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። 39 እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’+ 40 ብምሉኡ ሕግን ነብያትን ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚአን ተመስሪቱ ኣሎ።”+ 41 ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም፦+ 42 “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” ንሳቶም፡ “ወዲ ዳዊት” በልዎ።+ 43 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም፦ “ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዳዊት ብመንፈስ ተመሪሑ፡+ ‘ጐይታይ’ ዚብሎ፧ 44 ከመይሲ፡ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ ‘የሆዋ* ንጐይታይ፡ “ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።’+ 45 እሞ ደኣ፡ ዳዊት፡ ‘ጐይታይ’ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧”+ 46 ሓደ እኳ ኺምልሰሉ ኢሉ ሓንቲ ቓል ኪዛረብ ኣይከኣለን፣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር እውን፡ ሓደ እኳ ኺሓትቶ ዝደፈረ ኣይነበረን። 3 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ናብ ምኵራብ ኣተወ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።+ 2 ምእንቲ ኪኸስስዎ ድማ፡ ነቲ ሰብኣይ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ፡ ይከታተልዎ ነበሩ። 3 ንሱ ኸኣ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ፡ “ተንስእ እሞ፡ ንዓ ናብ ማእከል” በሎ። 4 ንዓታቶም ድማ፡ “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባር ድዩ ተፈቒዱ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንህይወት* ምድሓን ድዩ ወይስ ምቕታል፧”+ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። 5 በቲ ትሪ ልቦም+ ጕህዩ ብቝጥዓ ግልጽ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶም ከኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ዘርግሓ፡ ኢዱ እውን ሓወየት። 6 ሽዑ፡ እቶም ፈሪሳውያን ወጹ፣ ብኡብኡ ኸኣ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን+ ኰይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ። 7 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣልገሰ፣ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ድማ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።+ 8 ክንደይ ብዙሕ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌምን ካብ ኤዶምያስን ካብ ስግር ዮርዳኖስን ካብ ከባቢ ጢሮስን ሲዶንን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ መጹ። 9 ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼዳልዉሉ ነገሮም። 10 ንብዙሓት ስለ ዘሕወዮም፡ ኵሎም እቶም ዜቐንዙ ሕማም ዝነበሮም ኪትንክይዎ ኢሎም ዓጒጎምዎ ነበሩ።+ 11 ርኹሳት መናፍስቲ እውን+ ምስ ረኣይዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኦም፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ይጭድሩ ነበሩ።+ 12 ብዙሕ ሳዕ ግና፡ ከየግህድዎ ብጽኑዕ ኣዘዞም።+ 13 ናብ ከረን ደዪቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዖም፣+ ንሳቶም ከኣ ናብኡ መጹ።+ 14 ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም 12 ድማ ሓረየ፣* ከምኡ ዝገበረ እውን፡ ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን 15 ንምውጻእ ኣጋንንቲ ስልጣን ምእንቲ ኺህልዎምን ኢሉ እዩ።+ 16 እቶም ዝሓረዮም* 12+ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦን፡+ 17 ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓው ያእቆብን (ነዚኣቶም ድማ ቦኣኔርጌስ፡ ማለት “ደቂ ነጐዳ” ኢሉ ሰመዮም)፡+ 18 እንድርያስ፡ ፊልጶስ፡ በርተሎሜዎስ፡ ማቴዎስ፡ ቶማስ፡ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፡ ታዴዎስ፡ ስምኦን እቲ ቐነናዊ፡* 19 እቲ ደሓር ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ። ናብ ቤት ከኣ ኣተወ። 20 ምብላዕ ክሳዕ ዚስእኑ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ህዝቢ ተኣከበ። 21 ኣዝማዱ ምስ ሰምዑ ግና፡ “ተጸሊሉ” ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ።+ 22 ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ “ብኤል-ዜቡል* ኣለዎ፣ ንኣጋንንቲ ኸኣ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም” ይብሉ ነበሩ።+ 23 ንዓታቶም ጸውዖም እሞ፡ ብምሳሌታት ከምዚ በሎም፦ “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኼውጽኦ ይኽእል፧ 24 መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተኸፋፊላ፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ፣+ 25 ቤት ንሓድሕዳ እንተ ተኸፋፊላ ኸኣ፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 26 ሰይጣን ኣንጻር ርእሱ እንተ ተላዒሉን እንተ ተኸፋፊሉን እውን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን እዩ። 27 ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቕሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን፣ ድሕሪኡ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። 28 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ። 29 ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ዘበለ ግና፡ ብናይ ዘለኣለም ሓጢኣት ተሓታቲ ይኸውን እምበር፡+ ንዘለኣለም ሕድገት ኣይረክብን እዩ።”+ 30 እዚ ዝበለ፡ “ርኹስ መንፈስ ኣለዎ” ስለ ዝበሉ እዩ።+ 31 ኣዲኡን ኣሕዋቱን+ መጺኦም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም፡ ዚጽውዕ ለኣኹሉ።+ 32 ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ኸሎ፡ “እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ይደልዩኻ ኣለዉ” በልዎ።+ 33 ንሱ ግና፡ “ኣደይን ኣሕዋተይን መን እዮም፧” ኢሉ መለሰሎም። 34 ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዝነበሩ ጠሚቱ ኸኣ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ፡ እነዉ!+ 35 ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” በለ።+ 7 ካብ የሩሳሌም ዝመጹ ፈሪሳውያንን ገለ ኻብ ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ።+ 2 ገለ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሓጽባ* ኣእዳው ኪበልዑ ረኣዩ። 3 (ከመይሲ፡ ፈሪሳውያንን ኵሎም ኣይሁድን፡ ስርዓት ቀዳሞት ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ክሳዕ ኵርናዕ ኢዶም እንተ ዘይተሓጺቦም ኣይበልዑን ነበሩ፣ 4 ካብ ዕዳጋ ምስ መጹ እውን፡ እንተ ዘይተሓጺቦም ኣይበልዑን ነበሩ። ከም ምጥላቕ ጣሳን ዕትሮን ኣቕሓ ነሓስን ዝኣመሰለ ኺሕልውዎ ዘለዎም ብዙሕ ካልእ ስርዓታት እውን ነበሮም።)+ 5 እዞም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እዚኦም፡ “ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ቀዳሞት ከይሕልዉስ፡ ብዝረኸሳ ኣእዳው ዚበልዑ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 6 ንሱ ድማ፡ “ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦ ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ።+ 7 ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።’+ 8 ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም” በሎም።+ 9 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብሜላ ተፍርሱ ኣለኹም።+ 10 ንኣብነት፡ ሙሴ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡’+ ከምኡ ድማ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሕማቕ ዚዛረብ* ይቀተል’ ኢሉ እዩ።+ 11 ንስኻትኩም ግና፡ ‘ሓደ ሰብ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ፡ “እቲ ኻባይ እትረኽቦ ጥቕሚ፡ ቍርባን (ማለት፡ መባእ) ገይረዮ እየ” እንተ ኢሉ፡’ 12 ደጊም ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሓንቲ እኳ ኺገብረሎም ኣይትሓድግዎን።+ 13 በዚ ኸምዚ፡ በቲ እተመሓላልፍዎ ስርዓት ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ትገብርዎ።+ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ እውን ትገብሩ ኢኹም።”+ 14 ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ “ኵላትኩም ስምዑንን ትርጉሙ ተረድኡን።+ 15 እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ኻብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ኬርክሶ ኣይክእልን እዩ” በሎም።+ 16 *—— 17 ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እታ ምሳሌ ሓተትዎ።+ 18 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ንስኻትኩም እውንዶ ኸማታቶም ኣይትርድኡን ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ፡ ኬርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 19 ከመይሲ፡ ናብ ልቢ ዘይኰነስ፡ ናብ ከብዲ እዩ ዚወርድ፣ ንግዳም ከኣ ይወጽእ።” በዚ ኸምዚ፡ ንዅሉ ምግቢ ኣንጽሀ። 20 ከምዚ ድማ በለ፦ “እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ።+ 21 ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዚወጽእሲ፡+ ጐዳኢ ሓሳብ፦ ምንዝርና፡* ስርቂ፡ ቅትለት፡ 22 ዝሙት፡ ስስዐ፡ እከይ፡ ተንኰል፡ ንውርምና፡* ቅንኢ፡* ጸርፊ፡ ትዕቢት፡ ዕሽነት እዩ። 23 እዚ ዅሉ እከይ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ።” 24 ካብኡ ተንሲኡ ናብ ዞባ ጢሮስን ሲዶንን ከደ።+ ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፣ ሓደ እኳ ኺፈልጥ ድማ ኣይደለየን። ግናኸ፡ ኪሕባእ ኣይከኣለን። 25 ብኡብኡ፡ ጓላ ርኹስ መንፈስ ዝሓደራ ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባኡ ሰሚዓ መጸት እሞ፡ ኣብ እግሩ ተደፍአት።+ 26 እታ ሰበይቲ ግሪኻዊት፡ ዜግነታ* ሶርያ-ፊንቄኣዊት ነበረት፣ ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። 27 ንሱ ግና፡ “እንጌራ ውሉዳት ኣልዒልካ ንዀራኹር ምድርባይ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ቅድም እቶም ውሉዳት ይጽገቡ” በላ።+ 28 ንሳ ግና፡ “እወ ጐይታይ፡ ኰራኹር እውን ካብ ትሕቲ መኣዲ ርፍራፍ ውሉዳት ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰትሉ። 29 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ከምኡ ስለ ዝበልኪ፡ ኪዲ፣ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ ኣሎ” በላ።+ 30 ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት ደቂሳ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ።+ 31 የሱስ ካብ ዞባ ጢሮስ ምስ ተመልሰ፡ ብሲዶን ኣቢሉ፡ ብዞባ ደካጶሊስ* ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ።+ 32 ሓደ ጸማምን ለኻትን ድማ ኣምጽኡሉ፣+ ኢዱ ኼንብረሉ ኸኣ ለመንዎ። 33 ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛን እቲ ሰብኣይ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ።+ 34 ናብ ሰማይ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ኣዕሚቑ ድሕሪ ምስትንፋስ ከኣ፡ “ኤፋታ” በሎ፣ እዚ ኸኣ፡ “ተኸፈት” ማለት እዩ። 35 ሽዑ፡ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡+ ማእሰርቲ ልሳኑ ተፈትሐ፡ ኣጽርዩ ድማ ተዛረበ። 36 ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም፣+ ብመጠን እቲ ዚእዝዞም ዝነበረ ግና፡ ኣዝዮም የውርዩ ነበሩ።+ 37 ብዙሕ ይግረሙ፡+ “ንዅሉ ጽቡቕ ገይርዎ። ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከኣ ከም ዚዛረቡ ገይሩ” ድማ ይብሉ ነበሩ።+ 12 ብምሳሌታት ድማ ኪዛረቦም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡+ ብሓጹር ሓጸሮ፡ ካብቲ መጽመቝ ወይኒ ዚቕበል መዋህለል ወይኒ ዀዓተሉ፡ ግምቢ ሰርሓሉ፡+ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ* ኸኣ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።+ 2 ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቶም ሓረስቶት ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ ኢሉ፡ ናባታቶም ባርያ ለኣኸ። 3 ንሳቶም ግና ሒዞም ወቕዕዎ፡ ጥራይ ኢዱ ድማ ሰደድዎ። 4 ከም ብሓድሽ፡ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ፣ ንዕኡ እውን ርእሱ ፈግእዎን ኣሕሰርዎን።+ 5 ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንዕኡ እውን ቀተልዎ፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፡ ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም። 6 ገና ሓደ ፍቑር ወዲ ነበሮ።+ ኣብ መወዳእታ፡ ‘ንወደይሲ ኺሓፍርዎ እዮም’ ኢሉ ናባታቶም ለኣኾ። 7 እቶም ሓረስቶት ግና ንሓድሕዶም፡ ‘እዚ እቲ ወራሲ እዩ።+ ንዑ ንቕተሎ እሞ፡ ርስቱ ናትና ኪኸውን እዩ’ ተባሃሃሉ። 8 ሒዞም ድማ ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኸኣ ደርበይዎ።+ 9 እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ሓረስቶት ኪቐትሎም፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ንኻልኦት ኪህቦ እዩ።+ 10 ከምዚ ዚብል ቅዱስ ጽሑፍዶ ኸቶ ኣየንበብኩምን፦ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ።+ 11 እዚ ኻብ የሆዋ* እዩ ዀይኑ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ።’”+ 12 እዛ ምሳሌ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚሕዝዎ መገዲ ደለዩ፣ ነቲ ህዝቢ ግና ፈርሁ። ሓዲጎምዎ ድማ ከዱ።+ 13 ድሕርዚ፡ ብዘረባኡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ገለ ኻብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄሮድሳውያንን ለኣኹሉ።+ 14 መጺኦም ድማ፡ “መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካ፡ ደጋዊ ትርኢት ሰብ ርኢኻ ስለ ዘይተዳሉ ድማ ከም ዘይዓጅበካ፡ የግዳስ መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ* ድዩ ወይስ ኣይፋልን፧ 15 ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል፧” በልዎ። ንሱ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ “ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም፧ ክርእዮስ ዲናር* ኣምጽኡለይ” በሎም። 16 ኣምጽኡሉ ኸኣ። ንሱ ድማ፡ “እዚ ምስልን ጽሕፈትን ናይ መን እዩ፧” በሎም። ንሳቶም፡ “ናይ ቄሳር” በልዎ። 17 ሽዑ የሱስ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡+ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በሎም።+ ብእኡ ድማ ገረሞም። 18 እቶም ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን+ ከኣ ናብኡ መጺኦም ከምዚ ኢሎም ሓተትዎ፦+ 19 “መምህር፡ ሓደ ሰብ ሰበይቲ ሓዲጉ፡ ውሉድ ግና ከይሓደገ እንተ ሞይቱ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ኺወርሳ እሞ፡ ካብኣ ንሓዉ ዘርኢ ኼተንስኣሉ ኸም ዘለዎ ሙሴ ጽሒፉልና።+ 20 ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ኪመውት ከሎ ግና ዘርኢ ኣይሓደገን። 21 እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ዘርኢ ኸይሓደገ ግና ሞተ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ከምኡ። 22 ሸውዓቲኦም ድማ ዘርኢ ኣይሓደጉን። ድሕሪ ዅላቶም፡ እታ ሰበይቲ ሞተት። 23 ንሸውዓቲኦም ሰበይቲ ዀይናቶም ነይራ እያ እሞ፡ ብትንሳኤ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” 24 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰነን እትጋገዩ ዘለኹም፧+ 25 ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስ፡ ኣብ ሰማያት ከም ዘለዉ መላእኽቲ ደኣ እዮም ዚዀኑ እምበር፡ ኣይምርዓዉ ኣየመርዕዉ።+ 26 ብዛዕባ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ብዛዕባ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዚገልጽ ዛንታ፡ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኸም ዝበሎዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧+ 27 ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን። ብዙሕ ተጋጊኹም።”+ 28 ሓደ ኻብቶም ዝመጹ ጸሓፍቲ ኺከራኸሩ ሰሚዑ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ከኣ ፈሊጡ፡ “ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ኻብ ኵለን ቀዳመይቲ፧”* ኢሉ ሓተቶ።+ 29 የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፦ ‘ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፡ የሆዋ* ኣምላኽና ሓደ የሆዋ* እዩ፣ 30 ንየሆዋ* ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን* ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’+ 31 እታ ኻልአይቲ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’+ ካብዚኣተን እትዓቢ ኻልእ ትእዛዝ የላን።” 32 እቲ ጸሓፊ ኸኣ፡ “መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ‘ንሱ ሓደ እዩ፡ ብዘይካኡ ድማ ካልእ የልቦን’፣+ 33 ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ከተፍቅሮ፡ ንብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ይበልጽ” በሎ።+ 34 የሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ርእዩ፡ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን” በሎ። ደጊሙ ኺሓትቶ ዝደፈረ ግና ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ 35 የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ ድማ፡ ከምዚ በለ፦ “ጸሓፍቲ ኸመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዚብሉ፧+ 36 ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፡+ ‘የሆዋ* ንጐይታይ፡ “ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ’ ኢሉ እዩ።+ 37 ዳዊት ባዕሉ፡ ‘ጐይታይ’ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧”+ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ባህ ኢልዎ ይሰምዖ ነበረ። 38 ኣብ ትምህርቱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ካብቶም ወለል ዚብል ክዳን ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋ ሰላምታ ኺውሃቦም ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ፣+ 39 ኣብ ምኵራባት ቀዳሞት* መናብር፡ ኣብ ድራር ከኣ ምርኡይ ቦታ ይደልዩ እዮም።+ 40 ንሳቶም ኣባይቲ* መበለታት ይውሕጡ፡ ምእንቲ ኺርኣዩ* ድማ ጸሎት የንውሑ እዮም። እዚኣቶም ዝገደደ* ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።” 41 ኣብ መንጽር እቲ መመጽወቲ ተቐሚጡ፡+ እቶም ህዝቢ ኣብቲ መመጽወቲ ኸመይ ገይሮም ገንዘብ የውድቑ ኸም ዝነበሩ ረኣየ፣ ብዙሓት ሃብታማት ከኣ ብዙሕ ሰልዲ የውድቑ ነበሩ።+ 42 ሓንቲ ድኻ መበለት እውን መጸት እሞ፡ ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም* ኣውደቐት።+ 43 ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፡ ካብ ናይ ኵሎም እዞም ኣብቲ መመጽወቲ እቲ ገንዘብ ዜውድቑ ዘለዉ ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ።+ 44 ኵላቶምሲ ኻብ ተረፎም እዮም ኣውዲቖም፡ ንሳ ግና ካብ ስእነታ፡* ዘለዋ ዘበለ ዅሉ መነባብሮኣ እያ ኣውዲቓ።”+ 1 መጀመርታ ብስራት የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ፦ 2 ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ተባሂሉ እተጻሕፈ፦ “(እንሆ፡ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ* እልእኽ ኣለኹ።)+ 3 ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ።’”+ 4 ከምኡ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ በረኻ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ ይሰብኽ ነበረ።+ 5 ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኵሎም ሰብ የሩሳሌምን ከኣ፡ ናብኡ ወጹ፣ ሓጢኣቶም እናተናዘዙ እውን፡ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብእኡ ተጠምቁ።*+ 6 ዮሃንስ ድማ ካብ ጸጕሪ ገመል እተሰርሐ ኽዳን ይኽደን፡ ዕጣቕ ቈርበት ከኣ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ ነበረ፣+ ኣንበጣን መዓር በረኻን ድማ ይበልዕ ነበረ።+ 7 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ፦ “ድሕረይ፡ ካባይ ዚብርትዕ ይመጽእ ኣሎ፣ ኣነ ደኒነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ኣይበቅዕን እየ።+ 8 ኣነ ብማይ እየ ኣጥሚቐኩም፣ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ኬጥምቐኩም እዩ።”+ 9 በተን መዓልትታት እቲአን፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናብ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ።+ 10 ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈት፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኣብኡ ኺወርድ ከሎ ረኣየ።+ 11 ካብ ሰማያት ከኣ፡ “ዝሰመርኩኻ፡ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዚብል ድምጺ መጸ።+ 12 ብኡብኡ ኸኣ፡ መንፈስ ናብ በረኻ ኺወጽእ ደረኾ። 13 ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ብሰይጣን እናተፈተነ፡ 40 መዓልቲ ጸንሐ፣+ ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፣ መላእኽቲ እውን የገልግልዎ ነበሩ።+ 14 ዮሃንስ ምስ ተታሕዘ፡ የሱስ ብስራት ኣምላኽ እናሰበኸ+ ናብ ገሊላ ኸደ፣+ 15 “እቲ ምዱብ ግዜ ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀሪባ ኣላ። ተነስሑ፡+ ብብስራት እውን እመኑ” ድማ ይብል ነበረ። 16 ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኪኸይድ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስ+ ሓው ስምኦንን ገፈፍቲ ዓሳ+ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣየ።+ 17 የሱስ ድማ፡ “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ” በሎም።+ 18 ብኡብኡ፡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ።+ 19 ካብኡ ቝሩብ ምስ ሓለፈ እውን፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ሓዉ ዮሃንስን፡ ኣብ ጃልባኦም ኰይኖም መርበቦም ኬዐርዩ ኸለዉ ረኣየ፣+ 20 ቀልጢፉ ድማ ጸውዖም። ንሳቶም እውን ንኣቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ዕሱባቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም፡ ሰዓብዎ። 21 ናብ ቅፍርናሆም ድማ ኣተዉ። ሰንበት ምስ ኰነ፡ ብኡብኡ ናብ ምኵራብ ኣትዩ ኺምህሮም ጀመረ።+ 22 ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።+ 23 በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ኣብ ምኵራቦም ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ነበረ፣ ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ጨደረ፦ 24 “ኣታ ናዝሬታዊ የሱስ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧+ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ መን ምዃንካ ብልክዕ ፈሊጠካ ኣለኹ፣ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ኢኻ!”+ 25 የሱስ ግና፡ “ስቕ በል፡ ካብኡ እውን ውጻእ!” ኢሉ ገንሖ። 26 እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ፡ ምስ ኣንፈርፈሮን ዓው ኢሉ ምስ ጨደረን ካብኡ ወጸ። 27 ኵላቶም ኣዝዮም ስለ እተገረሙ፡ “እዚ እንታይ እዩ፧ ሓድሽ ትምህርቲ! ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዝዎ” እናበሉ ተመያየጡ። 28 ወሪኡ ድማ፡ ቀልጢፉ ናብ ብዘሎ ዞባ ገሊላ ብዅሉ ኣንፈት ተዘርግሐ። 29 ሽዑ፡ ካብ ምኵራብ ወጺኦም ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተዉ።+ 30 ሓማት ስምኦን+ ድማ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ነበረት፣ ንሳቶም ከኣ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። 31 ናብኣ ቐሪቡ ድማ፡ ብኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ እሞ፡ ረስና ሓደጋ። ንሳ እውን ኣገልገለቶም። 32 ጸሓይ ዓሪባ ምስ መሰየ፡ ዝሓመሙን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ዘበሉ ዅሎም ኣምጽኡሉ፣+ 33 ብምልእታ እታ ኸተማ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ተኣከበት። 34 እተፈላለየ ሕማም ንዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ፣+ ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ኣውጽአ፣ ግናኸ፡ ነቶም ኣጋንንቲ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ* ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። 35 ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ናብ ወጻኢ ወጸ፣ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ኸኣ፡ ኣብኡ ጸለየ።+ 36 ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ደልዮም 37 ረኸብዎ፣ “ኵላቶም ይደልዩኻ ኣለዉ” ድማ በልዎ። 38 ንሱ ግና፡ “ምእንቲ እዚ እየ መጺአ እሞ፡ ኣብኡ እውን ምእንቲ ኽሰብኽሲ፡ ናብ ካልእ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዘለዋ ዓድታት ንኺድ” በሎም።+ 39 ኣብ ምኵራባቶም እናሰበኸን ኣጋንንቲ እናኣውጽአን፡ ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞረ።+ 40 ሓደ ድዉይ ከኣ ናብኡ መጸ፣ ተምበርኪኹ ድማ፡ “እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ።+ 41 ንሱ ኸኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ እውን ተንከዮ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” ከኣ በሎ።+ 42 ብኡብኡ ድማ፡ ደዌኡ ጠፍአ፡ ነጽሀ ኸኣ። 43 ብጥብቂ ኣዚዙ እውን ሰደዶ፣ 44 “ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡+ ስለ ምንጻህካ፡ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኣቕርብ”+ እውን በሎ። 45 እቲ ሰብ እቲ ግና፡ ምስ ከደ ብዙሕ ኪነግርን ኬውርን ጀመረ፣ ስለዚ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ጽምዊ ቦታታት ደኣ ጸንሐ እምበር፡ ናብ ከተማ ብግህዶ ኺኣቱ ኣይከኣለን። ግናኸ፡ ካብ ኵሉ ሸነኽ ናብኡ ይመጹ ነበሩ።+ 8 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዚብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ 2 “እዞም ህዝቢ እዚኦም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበሩ፡ ዚብላዕ እውን ስለ ዘይብሎም፡+ የደንግጹኒ ኣለዉ።+ 3 ጾሞም ናብ ቤቶም እንተ ኣሰናቢተዮም፡ ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም፣ ገሊኣቶም ከኣ ካብ ርሑቕ እዮም” በሎም። 4 ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ “ኣብዚ ጽምዊ ቦታ ደኣ ነዞም ህዝቢ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧” ኢሎም መለሱሉ። 5 ንሱ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ሸውዓተ” በልዎ።+ 6 ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሸውዓተ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ኬቕርቡሎም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።+ 7 ሒደት ንኣሽቱ ዓሳታት ድማ ነበሮም፣ ንዕኡ ኸኣ ባሪኹ ሃቦም፡ ኬቕርቡሎም እውን ነገሮም። 8 በሊዖም ድማ ጸገቡ፣ ዝተረፈ ቝርስራስ ከኣ ሸውዓተ ዓብዪ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።+ "9 ኣስታት 4,000 እውን ነበሩ። ሽዑ፡ ኣሰናበቶም። " 10 ብኡብኡ ድማ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ዞባ ደልማኑታ መጸ።+ 11 ፈሪሳውያን ወጺኦም ከኣ፡ ምእንቲ ኺፍትንዎ ኢሎም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ደልዮም ተኸራኸርዎ።+ 12 ንሱ ድማ ብመንፈሱ እህህ ኢሉ፡ “ስለምንታይ እዩ እዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ዚደሊ፧+ ብሓቂ እብል ኣለኹ፡ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኣይኪውሃቦን እዩ” በለ።+ 13 ሓዲግዎም ከኣ ከም ብሓድሽ ናብ ጃልባ ደዪቡ፡ ናብ ስግር ከደ። 14 ግናኸ፡ ምምላእ እንጌራ ረስዑ፣ ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ኸኣ ብዘይካ ሓንቲ እንጌራ ኻልእ ኣይነበሮምን።+ 15 ንሱ ድማ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተሓለዉን” ኢሉ ብንጹር ኣጠንቀቖም።+ 16 እንጌራ ስለ ዘይነበሮም ከኣ፡ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ። 17 ነዚ ፈሊጡ ድማ፡ “እንጌራ ስለ ዘይብልኩም፡ ስለምንታይ ትዛራረቡ ኣለኹም፧ ገናዶ ኣይትግንዘቡን ወይስ ኣይትርድኡን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧ 18 ‘ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ፡ ኣይትርእዩን ዲኹም፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ፡ ኣይትሰምዑን ዲኹም፧’ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ "19 እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ን5,000 ምስ ቈረስክዎ፡+ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዒልኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ዓሰርተው ክልተ” በልዎ።+" "20 “እቲ ሸውዓተ እንጌራ ን4,000 ምስ ቈረስክዎኸ፡ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ ዓብዪ መሶብ ኣልዒልኩም፧” ንሳቶም ከኣ፡ “ሸውዓተ” በልዎ።+" 21 ንሱ ድማ፡ “ገናዶ ኣይትርድኡን ኢኹም፧” በሎም። 22 ናብ ቤት-ሳይዳ ኸኣ መጹ። ዕዉር ኣምጽኡሉ እሞ፡ ኪትንክዮ ለመንዎ።+ 23 ነቲ ዕዉር ብኢዱ ሒዙ ድማ ናብ ወጻኢ እታ ቝሸት ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ+ ኸኣ ኣእዳዉ ኣንበረሉ እሞ፡ “ገለዶ ትርኢ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 24 ኣዒንቱ ኣልዒሉ ድማ፡ “ሰባት እርኢ ኣለኹ፣ ምኽንያቱ፡ ኣእዋም ዚመስሉ እርኢ ኣለኹ፡ ግናኸ ይኸዱ ኣለዉ” በለ። 25 ከም ብሓድሽ ከኣ ኣእዳዉ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ፡ ንሱ ኣጸቢቑ ረኣየ፡ ሓወየ፡ ንዅሉ እውን ብንጹር ረኣዮ። 26 “ናብ ቍሸት ኣይትእቶ” ኢሉ ድማ ናብ ቤቱ ሰደዶ። 27 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ኣቝሻት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከዱ። ኣብ መገዲ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 28 ንሳቶም ድማ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡+ ካልኦት ከኣ ኤልያስ፡+ ካልኦት እውን ሓደ ኻብ ነብያት” በልዎ። 29 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 30 ሽዑ፡ ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብጽኑዕ ኣዘዞም።+ 31 ወዲ ሰብ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ኪነዓቕ፡ ኪቕተል፡+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ድማ ኪምህሮም ጀመረ።+ 32 እዚ ቓል እዚ ኣግሂዱ ተዛረበ። ጴጥሮስ ግና ንበይኑ ገይሩ ኺገንሖ ጀመረ።+ 33 ሽዑ፡ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ጠመተ እሞ፡ ንጴጥሮስ፡ “ናብ ድሕረይ ኪድ፡ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ” በሎ።+ 34 ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ ጕንዲ ስቅያቱ* ኣልዒሉ፡ ብቐጻሊ ይስዓበኒ።+ 35 ንህይወቱ* ኼድሕና ዚደሊ ዘበለስ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንህይወቱ* ምእንታይን ምእንቲ እቲ ብስራትን ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ኪረኽባ እዩ።+ 36 ሰብ ምሉእ ዓለም ረቢሑስ፡ ህይወቱ* እንተ ኣጥፊኡ እንታይ ይጠቕሞ፧+ 37 ሰብከ ኣብ ክንዲ ህይወቱ* እንታይ ምሃበ፧+ 38 ኣብዚ ዘማውን* ሓጥእን ወለዶ እዚ ብኣይን ብቓለይን ዚሓፍር ዘበለስ፡ ወዲ ሰብ ድማ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳት መላእኽቱ ምስ መጸ፡+ ብእኡ ኺሓፍር እዩ።”+ 11 ናብ የሩሳሌም፡ ናብተን ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚርከባ ቤት-ፋጌን ቢታንያን+ ምስ ቀረቡ ድማ፡ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ፣+ 2 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣብ ማዕዶኹም ናብ ዘላ ቝሸት ኪዱ፣ ናብኣ ምስ ኣቶኹም ከኣ፡ ክሳዕ ሕጂ ሰብ ተወጢሕዎ ዘይፈልጥ ጻዕብ ተኣሲሩ ኽትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽእዎ። 3 ገለ ሰብ፡ ‘ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧’ እንተ ኢሉኩም፡ ‘ጐይታ ደልይዎ ኣሎ፡ ቀልጢፉ እውን ናብዚ መሊሱ ኺሰድዶ እዩ’ በሉ።” 4 ምስ ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ኣብ ኣፍ ደገ፡ ኣብ ጥቓ ጐደና ተኣሲሩ ረኸብዎ፡ ፈትሕዎ ድማ።+ 5 ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፡ “እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ነቲ ጻዕብ እትፈትሕዎ ዘለኹም፧” በልዎም። 6 ንሳቶም ድማ ከምቲ የሱስ ዝበሎም በልዎም እሞ፡ ሓደግዎም። 7 ነቲ ጻዕብ ድማ ናብ የሱስ ኣምጽእዎ፣+ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሉ፣ ንሱ ኸኣ ተወጥሖ።+ 8 ብዙሓት እውን ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፣ ካልኦት ከኣ ካብ ግራውቲ፡ ጨናፍር ሰልዑ።+ 9 እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ዝነበሩ፡ ከምዚ እናበሉ ጨደሩ፦ “በጃኻ ኣድሕን!+ ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!+ 10 እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ!+ ኣብ ላዕሊ ዘለኻ በጃኻ ኣድሕን!” 11 ናብ የሩሳሌም ኣትዩ ኸኣ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከደ፣ ንዅሉ ግልጽ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመተ ድማ፡ ግዜ ኸይዱ ስለ ዝነበረ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ኸደ።+ 12 ንጽብሒቱ ኻብ ቢታንያ ምስ ወጹ፡ ጠመየ።+ 13 ብርሑቕ ከኣ ቈጻል ኦም በለስ* ረኣየ፣ ምናልባት ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ድማ ናብኣ ኸደ። ናብኣ ምስ መጸ ግና፡ ግዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ኣቝጽልቲ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበን። 14 ስለዚ ድማ፡ “ደጊም ካባኺ ሓደ እኳ ንሓዋሩ ፍረ ኣይብላዕ” በላ።+ ደቀ መዛሙርቱ እውን ይሰምዑ ነበሩ። 15 ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ድማ፡ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚዕድጉን ዝነበሩ ኺሰጕጎም ጀመረ፣ ሰደቓታት ኣሽረፍትን መናብር እቶም ረገቢት ዚሸጡ ዝነበሩን ከኣ ገልበጠ፣+ 16 ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤተ መቕደስ ኪሓልፍ ኣይፈቐደን። 17 “‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ’ ዚብል ጽሑፍዶ የሎን፧+ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ጌርኩምዋ”+ እናበለ ድማ መሃሮም። 18 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ሰምዑ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ ድማ መገዲ ደለዩ፣+ ከመይሲ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብትምህርቱ ይግረም ስለ ዝነበረ፡ ይፈርህዎ ነበሩ።+ 19 ምስ መሰየ ድማ፡ ካብታ ኸተማ ወጹ። 20 ኣንጊሆም ኪሓልፉ ኸለዉ ኸኣ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ።+ 21 ጴጥሮስ ድማ ዘኪርዋ፡ “መምህር፡* እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ” በሎ።+ 22 የሱስ ኪምልስ ከሎ፡ ከምዚ በሎም፦ “ብኣምላኽ እመኑ። 23 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ኸኣ ተደርበ’ ዚብሎ እሞ፡ እቲ ዚብሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይጠራጠር ዘበለ፡ ከምኡ ኪዀነሉ እዩ።+ 24 ስለዚ ድማ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ኵሉ እቲ እትጽልይዎን እትልምንዎን፡ ከም እተቐበልኩምዎ ጌርኩም እመኑ እሞ፡ ክትረኽብዎ ኢኹም።+ 25 ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸለኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሓድገልኩም፡ ንዝዀነ ሰብ ዝሓዝኩምሉ ዘበለ ሕደጉሉ።”+ 26 *—— 27 ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኪኸይድ ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጺኦም፡ 28 “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧ ወይስ ነዚ ኽትገብር ስልጣን ዝሃበካ መን እዩ፧” በልዎ።+ 29 የሱስ ድማ፡ “ሓንቲ ነገር ክሓትተኩም። መልሱለይ እሞ፡ ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 30 ጥምቀት ዮሃንስ+ ካብ ሰማይ ድያ ነይራ፡ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስከ መልሱለይ” በሎም።+ 31 ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ። 32 ‘ካብ ሰብ’ ክንብልዶ፧” ኵላቶም ንዮሃንስ ብሓቂ ኸም ነብዪ ይቘጽርዎ ነበሩ እሞ፡ ንህዝቢ ፈርሁ።+ 33 ስለዚ፡ ንየሱስ፡ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም። 2 ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግና፡ ከም ብሓድሽ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ፡ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዐ።+ 2 ኣብቲ ጥቓ ኣፍ ደገ እኳ ቦታ ኽሳዕ ዚስእኑ ድማ፡ ብዙሓት ተኣከቡ፣ ንሱ ኸኣ ቃል ነገሮም።+ 3 ብኣርባዕተ እተጾረ ልሙስ ድማ ኣምጽኡሉ።+ 4 ብሰንኪ እቲ ህዝቢ ናብ የሱስ ኪቐርቡ ስለ ዘይከኣሉ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እታ ዝነበራ ቦታ ናሕሲ ኣፍሪሶም፡ ከፋት ምስ ገበሩ፡ ነቲ ቓሬዛ ምስቲ ኣብኣ ደቂሱ ዝነበረ ልሙስ ኣውረድዎ። 5 የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡+ ነቲ ልሙስ፡ “ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።+ 6 ገለ ኻብ ጸሓፍቲ ድማ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ እሞ፡ ብልቦም ከምዚ ኢሎም ሓሰቡ፦+ 7 “እዚ ስለምንታይ ከምዚ ይብል ኣሎ፧ ይጻረፍ ኣሎ። ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ መን ሓጢኣት ኪሓድግ ይኽእል፧”+ 8 የሱስ ግና፡ ከምኡ ኢሎም ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ብኡብኡ ብመንፈሱ ኣስተውዒሉ፡ “ስለምንታይ ብልብኹም እዚ ትሓስቡ ኣለኹም፧+ 9 ኣየናይ ይቐልል፧ ነዚ ልሙስ፡ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ፡ ወይስ፡ ‘ተንስእ እሞ ቓሬዛኻ ኣልዒልካ ኺድ’ ምባል፧ 10 ወዲ ሰብ+ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡—”+ ኢሉ ነቲ ልሙስ፡ 11 “ተንስእ፡ ቃሬዛኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣለኹ” በሎ። 12 ሽዑ፡ ንሱ ተንስአ፡ ብኡብኡ ቓሬዛኡ ኣልዒሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ወጸ። ስለዚ፡ ኵላቶም ኣስተንከሩ፣ “ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይረኣናን” እናበሉ እውን ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።+ 13 ከም ብሓድሽ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ወጸ፣ ኵሎም ህዝቢ እውን ናብኡ ይመጹ ነበሩ፣ ንሱ እውን መሃሮም። 14 ኪሓልፍ ከሎ ግና፡ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ፡ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ሰዓቦ።+ 15 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ሌዊ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ብዙሓት ይስዕብዎ ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን እውን ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።+ 16 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግና፡ ምስ ሓጥኣንን ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንንዶ ይበልዕ እዩ፧” በልዎም። 17 የሱስ እዚ ሰሚዑ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ። ኣነ ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን እየ ኽጽውዕ መጺአ” በሎም።+ 18 ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ድማ ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን ዚጾሙ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ዘይጾሙ ስለምንታይ እዮም፧” በልዎ።+ 19 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣዕሩኽ መርዓዊ፡ መርዓዊ+ ምሳታቶም ከሎ፡ ዚጾሙሉ ምኽንያት ኣለዎም ድዩ፧ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ኪጾሙ ኣይክእሉን እዮም። 20 መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ግና ኪመጻ እየን፣+ ሽዑ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጾሙ እዮም። 21 ማይ ዘይጠዓመ ቝራጽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ዓለባ ነቲ ብላይ ይምንጭቶ፡ እቲ ቐዳድ ከኣ ዝገደደ ይኸውን።+ 22 ሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ እውን፡ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐድዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ።” 23 ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ኺሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ እናኸዱ፡ ሰዊት ኪቕንጥቡ ጀመሩ።+ 24 ፈሪሳውያን ድማ፡ “ርአ! ብሰንበት ኪግበር ዘይተፈቕደ ስለምንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧” በልዎ። 25 ንሱ ግና ከምዚ በሎም፦ “ዳዊት ምስ ሰኣነ፡ ንሱን ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምስ ጠመዩ፡ እንታይ ከም ዝገበረስ ከቶዶ ኣየንበብኩምን፧+ 26 ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ካህናት እምበር ካልኦት ኪበልዕዎ ዘይተፈቕደ እንጌራ መባእ* ከም ዝበልዐ፡+ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ እውን ከም ዝሃቦምሲ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኣብያታር+ እቲ ሊቀ ኻህናት ዚገልጽ ዛንታዶ ኣየንበብኩምን፧” 27 ኣስዒቡ ድማ፡ “ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ ኰይና እምበር፡+ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። 28 እምበኣር፡ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እውን እዩ” በሎም።+ 4 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኺምህር ጀመረ። ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ጥቓኡ ስለ እተኣከበ ኸኣ፡ ኣብ ጃልባ ደዪቡ፡ ካብ ገምገም ርሒቑ ተቐመጠ፣ ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና ኣብ ጥቓ ባሕሪ፡ ኣብ ገምገም ነበረ።+ 2 ብምሳሌታት ድማ ብዙሕ መሃሮም፣+ ኣብ ትምህርቱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦+ 3 “ስምዑ። እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።+ 4 ኪዘርእ ከሎ ኸኣ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፣ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዓኦ። 7 ገሊኡ እውን ኣብ ማእከል ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ኣእሻዅ ድማ ዓብዩ ሓነቖ፡ ፍረ እውን ኣይፈረየን።+ 8 ገሊኡ ግና ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ እሞ፡ በቘለን ዓበየን፣ ገሊኡ 30፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ 100 ዕጽፊ ድማ ፈረየ።”+ 9 ኣስዒቡ፡ “ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በለ።+ 10 ንበይኑ ምስ ኰነ ኸኣ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ምሳሌታት ሓተትዎ።+ 11 ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንዓኻትኩም፡ እቲ ቕዱስ ምስጢር+ መንግስቲ ኣምላኽ ተዋሂቡኩም ኣሎ፣ ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ግና፡ ኵሉ ምሳሌታት እዩ ዚዀኖም፣+ 12 ስለዚ ድማ፡ ምርኣይሲ ይርእዩ፡ ግናኸ ኣየስተብህሉን፣ ምስማዕሲ ይሰምዑ፡ ግናኸ ኣየስተውዕሉን፡ ኣይምለሱን፡ ይቕረ እውን ኣይበሃለሎምን።”+ 13 ብተወሳኺ ኸምዚ በሎም፦ “ነዛ ምሳሌ እዚኣ ኸይፈለጥኩምዋስ፡ ከመይ ጌርኩም ንዅሉ ምሳሌታት ክትርድኡ ኢኹም፧ 14 “እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል እዩ ዚዘርእ።+ 15 እቶም እቲ ቓል ኣብ እተዘርኦ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እምበኣር እዚኣቶም እዮም፣ ምስ ሰምዑ ግና፡ ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ+ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርአ ቓል ይወስዶ።+ 16 ከምኡ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ፡ እዚኣቶም እዮም፣ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ።+ 17 ኣባታቶም ሱር ስለ ዘይሰደደ ግና፡ ንግዜኡ ጥራይ እዮም ዚጸንሑ፣ ስለቲ ቓል፡ ጸበባ ወይ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ ድማ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፉ። 18 ኣብ ኣእሻዅ እተዘርኡ ኻልኦት እውን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ነቲ ቓል ይሰምዑ፣+ 19 ጭንቀት+ እዚ ስርዓትን* ምትላል ሃብትን+ ካልእ ትምኒታትን+ ግና፡ ኣትዩ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ዘይፈሪ ድማ ይኸውን። 20 እቶም ኣብ ጽቡቕ መሬት እተዘርኡ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖም ብጽቡቕ ዚቕበልዎ እዮም፣ 30፡ 60፡ 100 ዕጽፊ ድማ ይፈርዩ።”+ 21 ከምዚ ድማ በሎም፦ “መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይ ኣብ ትሕቲ ዓራት ይግበር እዩ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ደይኰነን ዚስቀል፧+ 22 ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን፣ ዘይግለጽ ስዉር እውን የልቦን።+ 23 ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”+ 24 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ንእትሰምዕዎ ኣቕልቡሉ።+ ብእትሰፍርዎ መስፈሪ ኺስፈረልኩም፡ ኪውሰኸልኩም እውን እዩ። 25 ከመይሲ፡ ንዘለዎ ይውሰኾ፣+ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ።”+ 26 ከምዚ ድማ በሎም፦ “መንግስቲ ኣምላኽ፡ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብ እያ። 27 ለይቲ ይድቅስ፡ መዓልቲ እውን ይትንስእ፣ እቲ ዘርኢ ኸኣ፡ ንሱ ኸይፈለጠ ይበቍልን ይዓብን። 28 እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፣ ቅድም ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ እኽሊ። 29 ምስ በጽሐ፡ ቀውዒ ስለ ዝኣኸለ፡ ብኡብኡ ማዕጺዱ ይሰድድ።” 30 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ ንኽእል፧ ወይስ ብምንታይ ምሳሌ ኽንገልጻ ንኽእል፧ 31 ኣብ ምድሪ ኣብ እተዘርኣትሉ እዋን፡ ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ ዝደቐቐት ፍረ ኣድሪ ትመስል።+ 32 ምስ ተዘርአት ግና፡ ትበቍል፡ ካብ ኵሉ ኣሕምልቲ ትዓቢ፣ ዓበይቲ ጨናፍር ስለ እትገብር ከኣ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ጽላላ ኺሰፍራ ይኽእላ።” 33 ኪሰምዑ ኽሳዕ ዝኸኣሉ ኸኣ፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ብዙሕ ምሳሌታት+ ተዛረቦም። 34 ብዘይ ምሳሌስ ኣይዛረቦምን ነበረ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ግና በይኖም ገይሩ ዅሉ ይገልጸሎም ነበረ።+ 35 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ምስ መሰየ፡ “ናብ ስግር ንሳገር” በሎም።+ 36 ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንዕኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ፣ ካልኦት ጃለቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ።+ 37 ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ድማ ተላዕለ፣ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ይጸፍዓ ነበረ።+ 38 ንሱ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ኣብቲ መተርኣስ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣተንሲኦም ድማ፡ “መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን ኢኻ፧” በልዎ። 39 ንሱ ተንሲኡ ኸኣ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ “ዝግ በል! ህዳእ!” በሎ።+ እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ። 40 “ስለምንታይ እትፈርሁ፧* ገናዶ እምነት የብልኩምን፧” ድማ በሎም። 41 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ፈርሁ፡ ንሓድሕዶም እውን፡ “እዝስ መን ኰን እዩ፧ ንፋስን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ” ተባሃሃሉ።+ 16 ሰንበት+ ምስ ሓለፈት፡ ማርያም መግደላዊትን እታ ኣደ ያእቆብ ዝዀነት ማርያምን+ ሰሎሜን መጺአን ኪለኽያኦ፡ ሽቱ ዓደጋ።+ 2 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር መጻ።+ 3 ንሓድሕደን ከኣ፡ “ነቲ እምንስ ካብ ኣፍ እቲ መቓብር መን ኬንከባልለልና እዩ፧” ይባሃሃላ ነበራ። 4 ኣዒንተን ኣልዒለን እንተ ጠመታ ግና፡ እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ተንከባሊሉ ረኣያኦ።+ 5 ናብቲ መቓብር ምስ ኣተዋ፡ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ ጐበዝ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ እሞ፡ ሰምበዳ። 6 ንሱ ድማ፡ “ኣይትሰምብዳ።+ ነቲ እተሰቕለ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ትደልያኦ ኣለኽን። ንሱ ተንሲኡ እዩ።+ ኣብዚ የሎን። እታ ተነቢሩላ ዝነበረት ቦታ እንሃ!+ 7 ኪዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፡ ‘ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ።+ ከምቲ ዝነገረኩም፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም” በለን።+ 8 ካብቲ መቓብር ምስ ወጻ፡ ደንጽይወን ራዕራዕ እናበላ ሃደማ። ፈሪሀን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን።*+ 6 ካብኡ ነቒሉ ናብ ዓዱ መጸ፣+ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዓብዎ። 2 ሰንበት ምስ ኰነ፡ ኣብ ምኵራብ ኪምህር ጀመረ፣ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ተገረሙ፣ ከምዚ ድማ በሉ፦ “እዚ ሰብ እዚ፡ ነዚ ኻበይ ረኺብዎ፧+ እዚ ጥበብ እዚ ንዕኡ እተዋህቦን ብኣእዳዉ ኸምዚ ዝበለ ግብርታት ሓይሊ እተገብረንከ ስለምንታይ እዩ፧+ 3 እዝስ እቲ ጸራቢ+ ወዲ ማርያም፡+ ሓው ያእቆብን+ ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን+ ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚ ምሳናዶ የለዋን፧” ብእኡ ድማ ተዓንቀፉ። 4 የሱስ ግና፡ “ነብዪ ብዘይካ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ” በሎም።+ 5 ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይካ ንሒደት ሕሙማት ኣእዳዉ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ግብሪ ሓይሊ ኺገብር ኣይከኣለን። 6 ብዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። እናመሃረ ኸኣ ኣብተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ኣቝሻት ዞረ።+ 7 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም፣ በብኽልተ ኺልእኮም እውን ጀመረ፣+ ርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽኡ ኸኣ ስልጣን ሃቦም።+ 8 ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ እንጌራ ዀነ፡ ለቘታ ስንቂ ዀነ፡ ገንዘብ* እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም፣+ 9 ኣሳእኖም ኪወድዩ እምበር፡ ክልተ ቐምሽ* ከይክደኑ ነገሮም። 10 ከምዚ እውን በሎም፦ “ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ካብኣ ኽሳዕ እትወጹ፡ ኣብኣ ተቐመጡ።+ 11 ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ቦታ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ደሮና ኣእጋርኩም ንገፉ።”+ 12 ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ሰባት ምእንቲ ኺንስሑ ሰበኹ፣+ 13 ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፣+ ንብዙሓት ሕሙማት እውን ዘይቲ ለኽዮም ኣሕወይዎም። 14 ስም የሱስ ተወርዩ ስለ ዝነበረ፡ ንጉስ ሄሮድስ ብዛዕባ እዚ ሰምዐ። ሰባት ከኣ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ እዩ ብእኡ ግብርታት ሓይሊ ዚግበር ዘሎ” ይብሉ ነበሩ።+ 15 ካልኦት ግና፡ “ኤልያስ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ከኣ፡ “ከም ሓደ ኻብ ናይ ጥንቲ ነብያት ዝበለ ነብዪ እዩ” ይብሉ ነበሩ።+ 16 ሄሮድስ ግና እዚ ምስ ሰምዐ፡ “እቲ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ፡ ንሱ ተንሲኡ” በለ። 17 ከመይሲ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ፡ ብሰሪ እታ እተመርዓዋ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ልኢኹ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።+ 18 ምኽንያቱ፡ ዮሃንስ ንሄሮድስ፡ “ሰበይቲ ሓውካ ናትካ ኽትገብራ ኣይተፈቕደልካን” ይብሎ ነበረ።+ 19 ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎ እውን ትደሊ ነበረት፣ ግናኸ ኣይከኣለትን። 20 ሄሮድስሲ ንዮሃንስ፡ ጻድቕን ቅዱስን ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ፣+ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። መምስ ሰምዖ ድማ፡ ዚገብሮ ይጠፍኦ ነበረ፣ ግናኸ፡ ተሓጒሱ ይሰምዖ ነበረ። 21 ሄሮድስ ብመዓልቲ ልደቱ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣኑን ንኣሕሉቕ ሽሕን ንኣውራታት ገሊላን+ ድራር ምስ ገበረሎም ግና፡ ምሽእቲ መዓልቲ መጸት።+ 22 ጓል ሄሮድያዳ ኣትያ ሳዕስዐት፡ ንሄሮድስን ነቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡን ድማ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ “ዝደለኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ እየ” በላ። 23 “ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ እውን መሓለላ። 24 ንሳ ድማ ወጺኣ ንኣዲኣ፡ “እንታይ ክልምኖ፧” በለታ። ንሳ ኸኣ፡ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ” በለታ። 25 ብኡብኡ፡ ቀልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሸሓኒ ጌርካ ኽትህበኒ እየ ዝደሊ” ኢላ ለመነት።+ 26 እቲ ንጉስ ኣዝዩ እኳ እንተ ሓዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣጋይሹን* ግና፡ ኪኣብያ ኣይደለየን። 27 ብኡብኡ ድማ፡ እቲ ንጉስ ንሓደ ዘብዐኛ፡ ርእሲ ዮሃንስ ኬምጽእ ኣዚዙ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፎ። 28 ርእሱ ኣብ ሸሓኒ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሃባ፣ እታ ጓል እውን ንኣዲኣ ሃበታ። 29 ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሰምዑ ድማ መጺኦም ሬሳኡ ወሲዶም፡ ኣብ መቓብር ኣንበርዎ። 30 እቶም ሃዋርያት ድማ፡ ናብ የሱስ ተኣከቡ፣ ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኵሉ ኸኣ ነገርዎ።+ 31 ንምብላዕ እኳ ግዜ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ ብዙሓት ይመጹን ይኸዱን ስለ ዝነበሩ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” በሎም።+ 32 በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ።+ 33 ኪኸዱ ኸለዉ ግና፡ ሰባት ረኣይዎም፡ ብዙሓት እውን ፈለጡ፣ ካብ ኵለን ከተማታት ድማ፡ ብእግሪ ጐይዮም ቀደምዎም። 34 ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ፣ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ስለ ዝነበሩ፡+ ደንገጸሎም።+ ብዙሕ ከኣ ኪምህሮም ጀመረ።+ 35 ግዜ ኸይዱ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ጽምውቲ እያ፡ ግዜ ድማ ከይዱ እዩ።+ 36 ኣብ ከባቢና ናብ ዘሎ ገጠራትን ኣቝሻትን ከይዶም ዚብላዕ ኪዕድጉ፡ ኣሰናብቶም” በልዎ።+ 37 ንሱ ግና፡ “ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ኬድናዶ ናይ 200 ዲናር* እንጌራ ዓዲግና ኺበልዑ ኽንህቦም፧” በልዎ።+ 38 ንሱ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧ ኪዱ ርኣዩ!” በሎም። ምስ ኣረጋገጹ፡ “ሓሙሽተ፡ ክልተ ዓሳ እውን” በልዎ።+ 39 ንዅላቶም ከኣ በብጕጅለ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ።+ 40 ንሳቶም ድማ በብሚእትን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41 ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ከኣ ጠሚቱ ባረኸ።+ ነተን እንጌራ ቘሪሱ፡ ነቶም ህዝቢ ኬቕርቡሎም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ነቲ ኽልተ ዓሳ እውን ንዅላቶም መቐሎም። 42 ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ 43 ብዘይካ ኻብቲ ዓሳታት፡ 12 መሶብ ምሉእ ቍርስራስ ኣልዓሉ።+ "44 እቶም ካብቲ እንጌራ ዝበልዑ ድማ፡ 5,000 ሰብኡት ነበሩ። " 45 ብኡብኡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኸም ዚድይቡ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዜሰናብቶም ድማ፡ ናብ ስግር ናብ ቤት-ሳይዳ ኸም ዚቕድምዎ ገበረ።+ 46 ምስ ኣሰናበቶም ግና፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ።+ 47 ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነበረት፣ ንሱ ግና በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ።+ 48 ንፋስ ኣንጻሮም ስለ ዝነበረ፡ ንምቕዛፍ ኪቃለሱ ምስ ረኣዮም፡ ብባሕረ ባሕሪ እናኸደ፡ ኣብ ራብዓይ ክፋል ሓለዋ ለይቲ* ናባታቶም በጽሐ፣ ግናኸ፡ ኪሓልፎም ኢሉ ነበረ። 49 ብባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ “ምትሃት እዩ!” ኢሎም ሓሲቦም ኣእወዩ። 50 ኵላቶም ርእዮምዎ ነበሩ እሞ፡ ተረበሹ። ብኡብኡ ግና፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” ኢሉ ተዛረቦም።+ 51 ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ደየበ፣ እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ። ሽዑ፡ ንሳቶም ኣዝዮም ኣስተንከሩ፣ 52 ከመይሲ፡ ልቦም ተደፊኑ ነበረ እምበር፡ ትርጉም እቲ እንጌራ ኣይተረድእዎን ነበሩ። 53 ናብ ምድሪ ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ኣብኡ መልህቕ ደርብዮም ነታ ጃልባ ኣቘምዋ።+ 54 ካብ ጃልባ ምስ ወረዱ ግና፡ ብኡብኡ ሰባት ኣለለይዎ እሞ፡ 55 ኣብ ኵሉ እቲ ዞባ ጐይዮም፡ ዝሓመሙ ብቓሬዛ ጾይሮም ናብታ ኸም ዘለዋ እተነግሮም ቦታ ኼምጽእዎም ጀመሩ። 56 ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ኣቝሻት ኰነ፡ ከተማታት ኰነ፡ ወይ ገጠራት፡ ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት ይገብርዎም ነበሩ፣ ዘፈር ክዳኑ ኺትንክዩ ጥራይ እውን ይልምንዎ ነበሩ።+ ኵሎም እቶም ዝተንከዩ እውን ሓወዩ። 10 ካብኡ ተንሲኡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ወሰናስን ይሁዳ መጸ፣ ከም ብሓድሽ እውን፡ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ከም ልማዱ፡ መሊሱ መሃሮም።+ 2 ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ ናብኡ ቐሪቦም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓ ተፈቒዱሉ እንተ ዀይኑ ሓተትዎ።+ 3 ንሱ ድማ፡ “ሙሴ እንታይ ኢሉ ኣዚዙኩም፧” ኢሉ መለሰሎም። 4 ንሳቶም ከኣ፡ “ሙሴስ ጽሑፍ መፍትሒኣ ጽሒፍካ ኽትፍታሕ ፈቒዱ እዩ” በሉ።+ 5 የሱስ ግና፡ “ብሰሪ ትሪ ልብኹም+ እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሓፈልኩም።+ 6 ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፡ ‘ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።+ 7 ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡+ 8 ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ፣’+ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። 9 እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም።+ 10 ከም ብሓድሽ ኣብ ቤት ከሎ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ሓተትዎ። 11 ንሱ ድማ፡ “ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ፣+ 12 ሰበይቲ ንሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እንተ ተመርዕያ ኸኣ፡ ትዝሙ” በሎም።+ 13 ምእንቲ ኺትንክዮም ከኣ ቈልዑ ኣምጽኡሉ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ገንሕዎም።+ 14 የሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ተቘጥዐ እሞ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ናባይ ኪመጹ ሕደግዎም፡ ኣይትኸልክልዎም።+ 15 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይቅበላ ዘበለ፡ ከቶ ኣይኪኣትዋን እዩ” በሎም።+ 16 ነቶም ቈልዑ ሓቚፉ ድማ ኣእዳዉ ኣንቢሩ ባረኾም።+ 17 መገዱ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ሓደ ናብኡ ጐይዩ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኸ እሞ፡ “ኣታ ሕያዋይ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ 18 የሱስ ድማ፡ “ስለምንታይ ሕያዋይ* እትብለኒ፧ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ ሕያዋይ* የልቦን።+ 19 ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኢኻ፦ ‘ኣይትቕተል፡+ ኣይትዘሙ፡+ ኣይትስረቕ፡+ ብሓሶት ኣይትመስክር፡+ ኣይትዓምጽ፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር’” በሎ።+ 20 ንሱ ኸኣ፡ “መምህር፡ እዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ እሕልዎ ኣለኹ” በሎ። 21 የሱስ ድማ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ “ሓንቲ ጐዲላትካ፦ ኪድ፡ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+ 22 ንሱ ግና ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ በዚ መልሲ እዚ ሓዘነ፡ ጕህዩ እውን ከደ።+ 23 የሱስ ግልጽ ግልጽ ኢሉ ድሕሪ ምጥማት፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉስ፡ ክንደይ ጭንቂ እዩ ዚዀኖም!” በሎም።+ 24 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ብቓሉ ተገረሙ። የሱስ ድማ፡ “ደቀየ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታውሲ፡ ክንደይ ጭንቂ እዩ! 25 ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” ኢሉ መለሰሎም።+ 26 ብዝያዳ ተገሪሞም ከኣ፡ “መን ደኣ ኺድሕን ይኽእል፧” በልዎ።*+ 27 የሱስ ከኣ እናጠመቶም፡ “ብሰባት ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ከምኡ ኣይኰነን፣ ብኣምላኽሲ ዅሉ ይከኣል እዩ” በሎም።+ 28 ጴጥሮስ ድማ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ” ኺብሎ ጀመረ።+ 29 የሱስ ከኣ ከምዚ በለ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምእንታይን ምእንቲ ብስራትን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዘበለ፡+ 30 ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ 100 ዕጽፊ ኣባይትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዴታትን ውሉዳትን ግራውትን ምስ መስጐጕቲ፡+ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት* ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን። 31 ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።”+ 32 ናብ የሩሳሌም ኣብ ዜደይብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡ እቶም ዝሰዓቡ ግና ፈርሁ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ኺበጽሖ ዘለዎ ኺነግሮም ጀመረ፦+ 33 “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ንሞት ኪፈርድዎ፡ ንኣህዛብ እውን ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፣ 34 ንሳቶም ከኣ ኬላግጹሉን ጡፍ ኪብሉሉን ኪገርፍዎን ኪቐትልዎን እዮም፣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግና ኪትንስእ እዩ።”+ 35 ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ከኣ፡+ ናብኡ ቐሪቦም፡ “መምህር፡ እንልምነካ ዘበለ ኽትገብረልና ንደሊ ኣለና” በልዎ።+ 36 ንሱ ድማ፡ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ፧” በሎም። 37 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብ ክብርኻ፡ ሓዴና ኣብ የማንካ፡ ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ፍቐደልና” ኢሎም መለሱሉ።+ 38 የሱስ ግና፡ “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ዝሰትያ ዘለኹ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ ወይስ እታ ኣነ ዝጥመቓ ዘለኹ ጥምቀት ክትጥመቑ ትኽእሉዶ፧” በሎም።+ 39 ንሳቶም ከኣ፡ “ንኽእል” በልዎ። የሱስ ድማ፡ “እታ ኣነ ዝሰትያ ዘለኹ ጽዋእሲ ኽትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ዘለኹ ጥምቀት እውን ክትጥመቑ ኢኹም።+ 40 ኣብ የማነይ ወይ ኣብ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና፡ ነቶም እተዳለወሎም ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” በሎም። 41 እቶም ዝተረፉ ዓሰርተ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብያእቆብን ብዮሃንስን ተቘጥዑ።+ 42 የሱስ ግና ናብኡ ጸዊዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ንኣህዛብ፡ እቶም ከም ገዛእቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።+ 43 ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን፣ የግዳስ፡ ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን፣+ 44 ካባኻትኩም ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ድማ፡ ባርያ ዅላትኩም ይኹን። 45 ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ እኳ ኼገልግልን ህይወቱ* ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን+ እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን።”+ 46 ናብ ያሪኮ ድማ መጹ። ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ካብ ያሪኮ ኺወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ (ወዲ ጢሜዎስ)፡ እቲ ዕዉር ለማኒ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ነበረ።+ 47 ንሱ፡ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፡ “ወዲ ዳዊት፡+ የሱስ፡ ምሓረኒ!”+ ኢሉ ኺጭርሕ ጀመረ። 48 ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፣ ንሱ ግና፡ “ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ!” እናበለ ኣዝዩ ጨርሐ። 49 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ፡ “ጸውዕዎ” በለ። ነቲ ዕዉር ከኣ፡ “ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ” እናበሉ ጸውዕዎ። 50 ክዳኑ ደርብዩ፡ ብድድ ኢሉ ናብ የሱስ ከደ። 51 የሱስ ድማ፡ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣለኻ፧” በሎ። እቲ ዕዉር ከኣ፡ “ረቡኒ፡* ክርኢ” በሎ። 52 የሱስ ከኣ፡ “ኪድ፡ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ።+ ብኡብኡ ድማ ረኣየ፡+ ኣብ መገዲ እውን ሰዓቦ። 14 ፋስጋን+ በዓል ቅጫን+ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ነበረ።+ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ብተንኰል ከመይ ገይሮም ከም ዚሕዝዎን ከም ዚቐትልዎን መገዲ ይደልዩ ነበሩ፣+ 2 ከመይሲ፡ “ኣብ ህዝቢ፡ ናዕቢ ምእንቲ ኸይልዓልሲ፡ ብበዓል ኣይኹን” ይብሉ ነበሩ። 3 ኣብ ቢታንያ፡ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ድዉይ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ኣዝዩ ኽቡር ቅዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ዝሓዘት ሰበይቲ መጸት። ነቲ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ሰቢራ ኸኣ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።+ 4 ገሊኣቶም ግና ተቘጢዖም፡ “እዚ ቕዱይ ቅብኢ ንምንታይ ባኺኑ፧ 5 እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ፡ ካብ 300 ዲናር* ንላዕሊ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ምተዋህበ ነይሩ!” ተባሃሃሉ። ንዓኣ ኸኣ ኰረዩላ። 6 የሱስ ግና ከምዚ በሎም፦ “ሕደግዋ። ስለምንታይ ተሸግርዋ ኣለኹም፧ ንሳ ሰናይ ግብሪ ገይራትለይ እያ።+ 7 ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣+ ኣብ ዝደለኹምዎ እዋን ከኣ ሰናይ ክትገብሩሎም ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን።+ 8 ዚከኣላ እያ ገይራ፣ ንቐብረይ ኢላ እያ ኣቐዲማ ኣብ ሰብነተይ ቅዱይ ቅብኢ ዘፍሰሰት።+ 9 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዚ ብስራት እዚ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ እተሰብኮ ዘበለ፡+ እዛ ሰበይቲ ዝገበረቶ ግብሪ ንመዘከሪኣ ኺንገር እዩ።”+ 10 ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ፡ ንዕኡ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ።+ 11 ንሳቶም ምስ ሰምዑ፡ ደስ በሎም፡ ገንዘብ ብሩር ኪህብዎ ድማ ኣተስፈውዎ።+ ኣሕሊፉ ኺህቦ ኸኣ ምሹእ ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ። 12 ኣብታ መስዋእቲ ፋስጋ+ ዚሓርዱላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡+ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ፋስጋ ኽትበልዕሲ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧” በልዎ።+ 13 ንሱ ድማ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኢሉ ለኣኾም፦ “ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብ ኪረኽበኩም እዩ። ንዕኡ ስዓብዎ፡+ 14 ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ ‘መምህርሲ፡ “ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧” ይብል ኣሎ’ በልዎ። 15 ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና።” 16 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከዱ፣ ናብ ከተማ ኸኣ ኣተዉ፣ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፣ ንፋስጋ ዚኸውን እውን ኣዳለዉ። 17 ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ።+ 18 ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ ዘሎ፡ ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” በሎም።+ 19 ንሳቶም ከኣ ኪጕህዩ፡ በብሓደ ድማ፡ “ኣነ ደዀን እየ፧” ኪብልዎ ጀመሩ። 20 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንሱ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዜጥልቕ እዩ።+ 21 ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተጻሕፈሉ ኪኸይድ እዩ፣ እቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ ግና ወይለኡ!+ እቲ ሰብ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ።”+ 22 ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ፡ ቈሪሱ፡ “ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ ማለት እዩ” ኢሉ ሃቦም።+ 23 ጽዋእ ኣልዒሉ እውን፡ ኣመስጊኑ፡ ሃቦም፣ ኵላቶም እውን ካብኣ ሰተዩ።+ 24 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ+ ናተይ ‘ደም+ ኪዳን’+ ማለት እዩ። 25 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ክሳዕ እታ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ሓድሽ ዝሰትየላ መዓልቲ፡ ካብ ፍረ ወይኒ ኸቶ ኣይክሰትን እየ።” 26 መዝሙር ውዳሰ* ምስ ዘመሩ ድማ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ወጹ።+ 27 የሱስ ከኣ፡ “‘ነቲ ጓሳ ኽወቕዖ እየ፡+ እተን ኣባጊዕ ድማ ፋሕ ኪብላ እየን’+ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ እሞ፡ ኵላትኩም ክትዕንቀፉ ኢኹም። 28 ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ” በሎም።+ 29 ጴጥሮስ ግና፡ “ኵላቶም እኳ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ኣይክዕንቀፍን እየ!” በሎ።+ 30 የሱስ ከኣ፡ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” በሎ።+ 31 ንሱ ግና፡ “ምሳኻ ኽመውት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ከቶ ኣይክኽሕደካን እየ” ኢሉ ኣትሪሩ ተዛረበ። ኵሎም ካልኦት እውን፡ ከምኡ በሉ።+ 32 ጌተሴማኔ ናብ እትብሃል ቦታ ድማ መጹ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ” በሎም።+ 33 ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ድማ ተማልኦም፣+ ኪጕህን* ኪጭነቕን ከኣ ጀመረ። 34 “ክሳዕ ሞት ኣዝየ ጕህየ ኣለኹ።*+ ኣብዚ ኹኑ፡ ንቕሑ እውን” በሎም።+ 35 ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ ጸለየ። 36 “ኣባ፡* ኣቦ፡+ ንዓኻ ዅሉ ይከኣለካ እዩ፣ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ንስኻ እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ዝደልዮ ኣይኹን” ድማ በለ።+ 37 ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ ንጴጥሮስ ድማ፡ “ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧+ 38 ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡+ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን። መንፈስሲ ህንጡይ* እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎ።+ 39 ከም ብሓድሽ ከይዱ፡ ከምቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ።+ 40 ከም ብሓድሽ ምስ መጸ ድማ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ እውን ኣይፈለጡን። 41 ሳልሳይ ሳዕ ተመሊሱ ኸኣ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜስ፡ ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም! ይኣክል! እታ ሰዓት በጺሓ!+ እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፍካ ይውሃብ ኣሎ። 42 ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም።+ 43 ብኡብኡ ኸኣ፡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ፣ ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ካብ ጸሓፍትን ካብ ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ህዝቢ መጹ።+ 44 እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ኸኣ፡ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፣ ሓዝዎ፡ ኣጽኒዕኩም ውሰድዎ” ኢሉ እተሰማምዑሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። 45 ትኽ ኢሉ መጺኡ ድማ፡ ናብኡ ቐሪቡ፡ “መምህር”* ኢሉ ኣጥቢቑ ሰዓሞ። 46 ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ። 47 ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ግና፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ እዝኑ ቘረጾ።+ 48 የሱስ ድማ፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጺእኩም፧+ 49 መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም ነይረ፣+ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዝኩምንን። እዚ ግና፡ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 50 ኵላቶም ድማ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።+ 51 ግናኸ፡ ቅጭን በፍታ ኣብ ጥራይ ዝባኑ እተወንዘፈ ጐበዝ ደድሕሪኡ ሰዓቦ፣ ኪሕዝዎ ድማ ፈተኑ፣ 52 ንሱ ግና በፍታኡ ሓዲጉ ጥራዩ* ሃደመ። 53 ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ፣+ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ከኣ ተኣከቡ።+ 54 ጴጥሮስ ግና ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ፣ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ።+ 55 ሊቃውንቲ ኻህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ድማ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸቡን።+ 56 ብዙሓት ብሓሶት ይምስክሩሉ እኳ እንተ ነበሩ፡+ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን። 57 ገለ ሰባት ተንሲኦም፡ ከምዚ እናበሉ ብሓሶት መስከሩሉ፦ 58 “‘ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፣ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ።”+ 59 ኣብዚ እውን፡ ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን። 60 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ኣብ ማእከሎም ተንሲኡ ንየሱስ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ 61 ንሱ ግና ስቕ በለ፡ ኣይመለሰን እውን።+ እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 62 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እየ፣ ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡+ ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ።+ 63 ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ “ደጊም ንምንታይ መሰኻኽር የድልዩና፧+ 64 ጸርፉ ሰሚዕኩም ኣለኹም። እንታይ እዩ ውሳነኹም፧”* በለ። ኵላቶም ከኣ ሞት ከም ዚግብኦ ፈረዱ።+ 65 ገሊኣቶም ጡፍ ኪብሉሉ፡+ ገጹ ጐልቢቦም ኬጕስጥዎ፡ “እስከ ተነበ!” እውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።+ 66 ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ኣጸድ ከሎ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ኻህናት መጸት፣+ 67 ንጴጥሮስ ኪስሕን ከሎ ምስ ረኣየቶ፡ ጠመተቶ እሞ፡ “ንስኻ እውን ምስ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ። 68 ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ፡ እንታይ ትብሊ ኸም ዘለኺ እውን ኣይተረድኣንን” ኢሉ ኸሓደ፣ ናብቲ መእተዊ ድማ ከደ። 69 እታ ገረድ ረኣየቶ እሞ ነቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ከም ብሓድሽ፡ “እዚ ኻባታቶም እዩ” ኽትብሎም ጀመረት። 70 ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሓደ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ፡ እቶም ደው ዝበሉ ኸም ብሓድሽ ንጴጥሮስ፡ “ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ” በልዎ። 71 ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዎ ዘለኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ። 72 ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ፣+ ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ “ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ዘከረ።+ ምኽኣል ስኢኑ ኸኣ፡ በኸየ። 9 ንሱ ድማ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ገለ ኻብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዚርእዩ፡ ሞት ኣይኪጥዕሙን እዮም” በሎም።+ 2 ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም እውን ትርኢቱ ተለወጠ፣+ 3 ክዳኑ ድማ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓጻባይ ኬጻዕድዎ ኻብ ዚኽእል ብዝበለጸ ጻዕድዩ ኣንጸባረቐ። 4 ኤልያስን ሙሴን ከኣ ተራእይዎም፣ ምስ የሱስ እውን ይዛራረቡ ነበሩ። 5 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “መምህር፡* ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። እምበኣር፡ ሰለስተ ድንኳን ንትከል፣ ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ ድማ ንኤልያስ” በሎ። 6 ኣዝዮም ፈሪሆም ስለ ዝነበሩ፡ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ ኣይፈልጥን ነበረ። 7 ደበና መጺኡ ኸኣ ኣጐልበቦም፣ ካብቲ ደበና ድማ፡ “ፍቑር ወደይ እዚ እዩ።+ ንዕኡ ስምዕዎ”+ ዚብል ድምጺ+ መጸ። 8 ብሃንደበት ግልጽ ግልጽ ኢሎም ምስ ጠመቱ ግና፡ ብዘይካ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። 9 ካብቲ ኸረን ኪወርዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚትንስእ፡+ ነቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብጽኑዕ ኣዘዞም።+ 10 ነቲ ቓል እቲ ኸኣ ኣብ ልቦም ኣሕደርዎ፣* ካብ ምዉታት ብዛዕባ ምትንሳእ ግና፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ተመያየጡ። 11 “ጸሓፍቲ፡ ‘ቅድም ኤልያስ+ ኪመጽእ ይግባእ’+ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧” ኢሎም ድማ ሓተትዎ። 12 ንሱ ኸኣ፡ “ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ ይመልስ፣+ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኸም ዚጸግብን+ ከም ዚነዓቕን ግና፡ ከመይ ድዩ ተጻሒፉ ዘሎ፧+ 13 ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ኤልያስሲ+ መጺኡ እዩ፣ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ድማ፡ ዝደለይዎ ዘበለ ገይሮምዎ እዮም” በሎም።+ 14 ናብቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጹ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፡ ጸሓፍቲ እውን ኪከራኸርዎም ከለዉ ረኣዩ።+ 15 እቶም ህዝቢ ንዕኡ ምስ ረኣይዎ ግና፡ ተገረሙ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ። 16 ንሱ ድማ፡ “ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ትከራኸርዎም ዘለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። 17 ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “መምህር፡ ንወደይ ዓባስ መንፈስ ስለ ዘለዎ ናባኻ ኣምጺአዮ።+ 18 ኣብ ዝሓዞ ዘበለ ድማ የውድቖ፣ ንሱ ኸኣ ይዓፍርን ኣስናኑ ይሕርቅምን ይደክምን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ሓቲተዮምሲ፡ ኣይከኣሉን” ኢሉ መለሰሉ። 19 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ዘይኣምን ወለዶ፡+ ክሳዕ መዓስ እየ ምሳኻትኩም ክነብር፧ ክሳዕ መዓስከ እየ ኽዕገሰኩም፧ ናባይ ኣምጽእዎ” ኢሉ መለሰሎም።+ 20 ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። እቲ መንፈስ ምስ ረኣዮ ግና፡ ብኡብኡ ነቲ ቘልዓ ኣንፈርፈሮ። ኣብ ምድሪ ወዲቑ ኸኣ ኣንገርገረን ዓፈረን። 21 የሱስ ድማ ንኣቦኡ፡ “ከምዚ ኻብ ዚኸውን ክንደይ ግዜ ገይሩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ካብ ቍልዕነቱ እዩ፣ 22 ኬጥፍኦ ኢሉ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን የውድቖ እዩ። ገለ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን” በሎ። 23 የሱስ ድማ፡ “‘ትኽእል እንተ ዄንካ’ እምበኣር ኢልካ! ንዚኣምን፡ ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ።+ 24 ኣቦ እቲ ቘልዓ፡ ብኡብኡ ዓው ኢሉ፡ “እኣምን እየ! እምነት ኣብ ዚጐድለኒ ድማ ርድኣኒ!” በሎ።+ 25 የሱስ፡ ህዝቢ ናባታቶም ኪጐይዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ “ኣታ ዓባስን ጸማምን መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣለኹ፡ ካብኡ ውጻእ፡ ደጊም እውን ኣይትእተዎ!” ኢሉ ገንሖ።+ 26 ምስ ገዓረን ብዙሕ ምስ ኣንፈርፈረን ከኣ፡ ወጸ፣ ብዙሓት፡ “ሞይቱ!” ኽሳዕ ዚብሉ ኸኣ ከም ምዉት ኰነ። 27 የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ፡ ተንስአ። 28 ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ “ስለምንታይ ደኣ ንሕና ኸነውጽኦ ዘይከኣልና፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 29 ንሱ ኸኣ፡ “እዚ ዓይነት እዚ፡ ብዘይካ ብጸሎት፡ ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ” በሎም። 30 ካብኡ ነቒሎም ብገሊላ ሓለፉ፣ ግናኸ፡ ሓደ እኳ ኺፈልጥ ኣይደለየን። 31 ንደቀ መዛሙርቱስ ይምህሮም፡ “ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰባት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ኪቐትልዎ እዮም፣+ ግናኸ፡ ዋላ እኳ እንተ ተቐትለ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኺትንስእ እዩ” ድማ ይብሎም ነበረ።+ 32 ንሳቶም ግና ነቲ ዚብሎም ዝነበረ ኣይተረድእዎን፡ ንምሕታቱ ኸኣ ፈርሁ። 33 ናብ ቅፍርናሆም ድማ መጹ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ “ኣብ መገዲ ብዛዕባ እንታይ ትካትዑ ኔርኩም፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 34 ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ መኖም ከም ዚዓቢ ይካትዑ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። 35 ምስ ተቐመጠ ድማ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ “ቀዳማይ ኪኸውን ዚደሊ እንተ ኣልዩ፡ ድሕሪ ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን” በሎም።+ 36 ቈልዓ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፣ ሓቚፍዎ ድማ፡ 37 “እቲ ኻብዞም ከምዚ ቘልዓ ዝኣመሰሉ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ፡+ ንዓይ ይቕበለኒ፣ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ዘበለ ኸኣ፡ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ” በሎም።+ 38 ዮሃንስ ከኣ፡ “መምህር፡ ሓደስ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ርኢናዮ፣ ስለ ዘይስዕበና ኸኣ፡ ክንክልክሎ ፈቲንና” በሎ።+ 39 የሱስ ግና ከምዚ በለ፦ “ብስመይ ግብሪ ሓይሊ ዚገብር፡ ቀልጢፉ እውን ብዛዕባይ ሕማቕ ኪዛረብ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ክትክልክልዎ ኣይትፈትኑ። 40 ዘይጻረረና ዘበለስ ምሳና እዩ።+ 41 እቲ ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም ጣሳ ዝሑል ማይ ዜስትየኩም ዘበለ ኸኣ፡+ ዓስቡ ኸቶ ኣይኪስእንን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 42 እቲ ንሓደ ኻብዞም ዚኣምኑ ንኣሽቱ ዚዕንቅፍ ዘበለ ግና፡ ብኣድጊ ዚዘውር መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ እንተ ዚድርበ ምሓሾ።+ 43 “ኢድካ እንተ ኣስሒታትካ፡* ቍረጻ። ምስ ክልተ ኢድካ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ ዘለዎ ገሃነም* ካብ እትኸይድሲ፡ ጐናይ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።+ 44 *—— 45 እግርኻ እንተ ኣስሒታትካ፡* ቍረጻ። ምስ ክልተ እግርኻ ናብ ገሃነም* ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።+ 46 *—— 47 ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ* እውን፡ ደርብያ።+ ምስ ክልተ ዓይንኻ ናብ ገሃነም* ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሕሸካ፣+ 48 ገሃነምሲ* ሓሰኻ ዘይሞቱሉን ሓዊ እውን ዘይጠፍኣሉን እዩ።+ 49 “ንዅሉስ ሓዊ ኸም ጨው ኪንስነሰሉ ይግባእ።+ 50 ጨው ጽቡቕ እዩ፣ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፊኡ ግና፡ ብምንታይ ተመቅርዎ፧+ ኣብ ገዛእ ርእስኹም ጨው ይሃሉኹም፡+ ንሓድሕድኩም ከኣ ብሰላም ንበሩ።”+ 13 የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ “መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻን እሞ ርአ!” በሎ።+ 2 የሱስ ግና፡ “ነዚ ዓብዪ ህንጻስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ኣብዚ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ኸቶ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎ።+ 3 ኣብ ደብረ ዘይቲ፡ ኣብ መንጽር እቲ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፡ 4 “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መዓስ ከም ዚድምደም ዚሕብር ምልክትከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 5 የሱስ ከኣ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።+ 6 ‘ኣነ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም፣ ንብዙሓት እውን ኬስሕቱ እዮም። 7 ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ፣ እዚ ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።+ 8 “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣+ ኣብ በቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣ ጥሜት ከኣ ኪኸውን እዩ።+ እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።+ 9 “ንስኻትኩም ግና ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡+ ኣብ ምኵራባት ኪወቕዑኹም፡+ ምእንታይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ኬቝሙኹም እዮም።+ 10 ቅድም ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ።+ 11 ኣሕሊፎም ንምሃብ ኪወስዱኹም ከለዉ ድማ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፣ መንፈስ ቅዱስ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ በታ ሰዓት እቲኣ እተዋህበኩም ዘበለ ተዛረቡ።+ 12 ሓው ንሓዉ፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኺህብ እዩ፣ ውሉዳት ኣብ ልዕሊ ወለዶም ኪልዓሉን ኬቕትልዎምን እዮም።+ 13 ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም።+ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና+ ኪድሕን እዩ።+ 14 “ግናኸ፡ እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ዘይግብኦ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡+ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።+ 15 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኣይውረድ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኢሉ እውን ኣይእቶ፣ 16 ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን!+ 18 እዚ ብኽረምቲ ኸይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣ 19 ኣብተን መዓልትታት እቲአንሲ፡ ካብታ ኣምላኽ መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ፡+ ከቶ ድማ ዘይከውን ጸበባ+ ኪኸውን እዩ። 20 የሆዋ* ነተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዘበለ ኣይምደሓነን፣ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፡ ነተን መዓልትታት እቲአን ኬሕጽረን እዩ።+ 21 “ሽዑ እውን፡ ዝዀነ ሰብ፡ ‘እንሆ፡ ክርስቶስ ኣብዚ ኣሎ’ ወይ ‘እንሆ፡ ኣብቲ ኣሎ’ እንተ ኢሉኩም፡ ኣይትእመኑ።+ 22 ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ፡+ እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት ምእንቲ ኼስሕቱ፡ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ኪገብሩ እዮም። 23 ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ።+ ኣቐዲመ ዅሉ ነጊረኩም ኣለኹ። 24 “በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡ ድሕሪ እቲ ጸበባ እቲ፡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣+ 25 ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሓይልታት እውን ኪናወጹ እዮም። 26 ሽዑ ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዓብዪ ሓይልን ክብርን ብደበናታት ኪመጽእ ከሎ፡+ ኪርእይዎ እዮም።+ 27 ሽዑ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ንሕሩያቱ እውን ካብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳብ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።+ 28 “ካብ ኦም በለስ፡* እዚ ምሳሌ እዚ ተምሃሩ፦ ጨናፍራ ምስ ጠጥዐን ምስ ለምለመን፡ ሓጋይ* ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።+ 29 ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ ንሱ ናብ ኣፍ ደገ ምቕራቡ ፍለጡ።+ 30 እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 31 ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡+ ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 32 “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ፡ ኣቦ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።+ 33 እቲ ምዱብ ግዜ መዓስ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡+ ተቛመቱን ንቕሑን።+ 34 ከምቲ ቤቱ ሓዲጉ ዝገሸ እሞ ንባሮቱ ስልጣን ዝሃቦም፡+ ንነፍሲ ወከፍ ዕዮኡ፡ ንሓላው ማዕጾ እውን ኪነቅሕ ዝኣዘዞ ሰብ እዩ።+ 35 እምበኣር፡ እቲ ብዓል ቤት መዓስ ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ንግሆ ኺመጽእ ይኽእል እዩ እሞ፡+ ንቕሑ፣+ 36 እዚ ኸኣ፡ ብሃንደበት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩም እዩ።+ 37 እዚ ንዓኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣለኹ፦ ንቕሑ።”+ 5 ናብ ስግር ባሕሪ፡ ናብ ዞባ ጌራሴኖስ ከኣ በጽሑ።+ 2 የሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ ኸኣ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። 3 ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፣ ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ብሰንሰለት ኣሲሩ ኼጽንዖ ዝኸኣለ ሓደ እኳ ኣይነበረን። 4 ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፣ ግናኸ፡ ንሰንሰለት ይብጥሶ፡ ንመቝሕ ከኣ ይሰብሮ ነበረ፣ ኬሕምቖ ዝኸኣለ ድማ ሓደ እኳ ኣይነበረን። 5 ኵሉ ሳዕ ከኣ፡ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ድማ ብጽንጽሕለ ይበጥሕ ነበረ። 6 ንየሱስ ካብ ርሑቕ ምስ ረኣዮ ግና፡ ጐይዩ ሰገደሉ።+ 7 “ኦ የሱስ ወዲ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይተሳቕየኒ ብኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ” ኢሉ ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።+ 8 እዚ ኸኣ፡ የሱስ፡ “ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብ እዚ ውጻእ” ይብሎ ስለ ዝነበረ እዩ።+ 9 ግናኸ፡ የሱስ፡ “መን እዩ ስምካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን* እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 10 ነቶም መናፍስቲ ኻብታ ሃገር ከየውጽኦም ድማ፡ ንየሱስ ብዙሕ ለመኖ።+ 11 ኣብቲ ኸረን ድማ፡ ዓብዪ መጓሰ ሓሰማታት+ ይበልዕ ነበረ።+ 12 እቶም መናፍስቲ ኸኣ፡ “ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ፡ ናብአን ክንኣቱ” ኢሎም ለመንዎ። "13 ንሱ ድማ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፣ እቲ መጓሰ ኸኣ፡ ካብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፣ ኣስታት 2,000 ድማ ነበራ፣ ኣብ ባሕሪ ጥሒለን እውን ሞታ።" 14 እቶም ጓሶተን ግና ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ከኣ ኣውረዩ፣ ሰባት ድማ፡ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ መጹ።+ 15 ናብ የሱስ ምስ መጹ፡ እቲ ለጌዎን ኣጋንንቲ ዝነበርዎ ሰብ፡ ተቐሚጡን ተኸዲኑን ናብ ልቡ ተመሊሱን ረኣይዎ እሞ፡ ፈርሁ። 16 እቶም ዝረኣዩ ድማ፡ እቲ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብን እተን ሓሰማታትን እንታይ ከም ዝዀኑ ኣዘንተዉሎም። 17 ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዞባኦም ኬልግስ ኪልምንዎ ጀመሩ።+ 18 ናብ ጃልባ ኺድይብ ከሎ፡ እቲ ኣጋንንቲ ዝነበርዎ ሰብ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ።+ 19 ንሱ ግና፡ “ናብ ቤትካ፡ ናብ ሰብካ ኺድ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ* ዝገበረልካን ዝመሓረካን ንገሮም” በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። 20 ንሱ ድማ ከይዱ፡ ኵሉ እቲ የሱስ ዝገበረሉ፡ ኣብ ደካጶሊስ* ኬውሪ ጀመረ፣ ኵላቶም እውን ተገረሙ። 21 የሱስ ከም ብሓድሽ ተመሊሱ ብጃልባ ናብ ስግር ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ።+ 22 ያኢሮስ ዝስሙ ሓደ ኻብ መራሕቲ ምኵራብ መጸ፣ ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡+ 23 “ጓለይ ተወጺዓ ኣላ።* ምእንቲ ኽትሓውን ብህይወት ክትነብርንሲ፡ በጃኻ መጺእካ ኣእዳውካ ኣንብረላ”+ ኢሉ ብዙሕ ለመኖ። 24 የሱስ ድማ ምስኡ ኸደ፣ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ይስዕብዎን ይደፋፍእዎን ነበሩ። 25 ን12 ዓመት+ ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ ድማ ነበረት።+ 26 ንሳ ኸኣ ብብዙሓት ሓካይም ብዙሕ ተሳቐየት፡ ኵሉ ገንዘባ እውን ወድአት፣ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይሓሻን። 27 ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዐት፡ ብመንጎ እቲ ህዝቢ፡ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት፣+ 28 ከመይሲ፡ “ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንክየ፡ ክሓዊ እየ” ትብል ነበረት።+ 29 ብኡብኡ፡ እቲ ዚፈስሳ ዝነበረ ደም ነቐጸ፣ ካብቲ ዜቐንዙ ሕማማ ኸም ዝሓወየት ከኣ ተፈለጣ። 30 የሱስ ድማ ብኡብኡ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ተፈሊጥዎ፡+ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ “መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧” ኢሉ ሓተተ።+ 31 ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ “ህዝቢ ኺደፋፍኣካ ትርኢ ኣለኻ፣ ‘መን ተንክዩኒ፧’ ከኣ ትብል፧” በልዎ። 32 ንሱ ግና ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ግልጽ ግልጽ በለ። 33 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ፈሊጣ ስለ ዝነበረት፡ ፈሪሃ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍአት፣ ኵሉ እቲ ሓቂ እውን ነገረቶ። 34 ንሱ ድማ፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ። ብሰላም ኪዲ፡+ ካብቲ ዜቐንዙ ሕማምኪ ድማ ጥዓዪ” በላ።+ 35 ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ካብ ቤት እቲ መራሕ ምኵራብ፡ “ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ንመምህር ስለምንታይ ተድክሞ፧” ዚብልዎ መጹ።+ 36 የሱስ ግና፡ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ሰሚዑ፡ ነቲ መራሕ ምኵራብ፡ “ኣይትፍራህ፡ እመን ጥራይ” በሎ።+ 37 ብዘይካ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓው ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኺስዕቦ ኣይፈቐደን።+ 38 ናብ ቤት እቲ መራሕ ምኵራብ ከኣ መጹ፣ ጫውጫው ዚብሉን ዚበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዚብሉን ረኣየ።+ 39 ምስ ኣተወ፡ “ስለምንታይ ትበኽዩን ዋይዋይ ትብሉን ኣለኹም፧ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን” በሎም።+ 40 ንሳቶም ከኣ ሰሓቕዎ። ንሱ ግና ንዅላቶም ምስ ኣውጽኦም፡ ንኣቦ እታ ቘልዓን ንኣዲኣን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ተማሊኡ፡ ናብቲ እታ ቘልዓ ዝነበረቶ ኣተወ። 41 ነታ ቘልዓ ብኢዳ ሒዙ ድማ፡ “ጣሊታ ቁሚ” በላ፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ እብለኪ ኣለኹ” እዩ።+ 42 ብኡብኡ ኸኣ፡ እታ ጓል ተንሲኣ ተዛወረት። (12 ዓመት ገይራ ነበረት።) ሽዑ፡ ብታሕጓስ ፍንጭሕ በሉ። 43 ንሱ ግና ንሓደ እኳ ብዛዕባ እዚ ኸየፍልጡ ደጋጊሙ* ኣዘዞም፣+ ዚብላዕ ኪህብዋ ኸኣ ነገሮም። 15 ምስ ወግሐ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን፡ ኰታስ ኵሎም ኣባላት እቲ ዋዕላ ተማኸሩ፣ ንየሱስ ኣሲሮም ወሲዶም ድማ፡ ኣሕሊፎም ንጲላጦስ ሃብዎ።+ 2 ጲላጦስ ከኣ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧”+ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 3 ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ ብብዙሕ ነገር ይኸስስዎ ነበሩ። 4 ጲላጦስ ድማ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧+ እንሆ፡ ብኽንደይ ነገር ይኸስሱኻ ኣለዉ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ሓተቶ።+ 5 የሱስ ግና ደጊም ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፣ ጲላጦስ ድማ ተገረመ።+ 6 በብበዓል፡ ሓደ ዝለመንዎ እሱር ይፈትሓሎም ነበረ።+ 7 ሽዑ፡ ምስቶም ኣብ ናዕቢ ነፍሲ ዝቐተሉ መናዓብቲ፡ በርባን ዚብሃል ተኣሲሩ ነበረ። 8 እቶም ህዝቢ ኸኣ ደዪቦም፡ ከምቲ ዘልመዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ። 9 ጲላጦስ ድማ፡ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም።+ 10 ከመይሲ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ፡ ጲላጦስ ፈሊጡ ነበረ።+ 11 ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ኣብ ክንዳኡ ንበርባን ምእንቲ ኺፈትሓሎም ኪልምኑ ኣለዓዓልዎም።+ 12 ጲላጦስ ከም ብሓድሽ፡ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ፧” በሎም።+ 13 ንሳቶም፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ።+ 14 ጲላጦስ ከኣ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ ክፉእ ገይሩ፧” በሎም። ንሳቶም ግና፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ብዝያዳ ጨደሩ።+ 15 ሽዑ፡ ጲላጦስ ነቶም ህዝቢ ባህ ኬብሎም ደልዩ፡ ንበርባን ፈትሓሎም፣ ንየሱስ ድማ ኣግሪፉ፡+ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም።+ 16 እቶም ወተሃደራት ከኣ ናብ ውሽጢ እቲ ኣጸድ፡ ናብ ቤት እቲ ሹም ኣእተውዎ፣ ብዘሎ ጭፍራ ወተሃደራት እውን ኣከቡ።+ 17 ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም እውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። 18 “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ”+ እናበሉ ሰላም ኪብልዎ ጀመሩ። 19 ብሻምብቆ ርእሱ ይወቕዕዎን ጡፍ ይብሉሉን እውን ነበሩ፣ ተምበርኪኾም ድማ ሰገዱሉ።* 20 ምስ ኣላገጹሉ ኸኣ፡ ነቲ ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳን ቀንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ። ኪሰቕልዎ ድማ ወሰድዎ።+ 21 ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ስምኦን ቀሬናዊ ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን፡ ካብ ገጠር ኪኣቱ ኸሎ፡ ጕንዲ ስቅያቱ* ኺጾረሉ ገደድዎ።+ 22 ጐልጎታ፡ ትርጉሙ “ቦታ ቐረንቀራ፡” ናብ እትብሃል ቦታ ወሰድዎ።+ 23 ምስ ከርበ እተሓወሰ ወይኒ* ኺሰቲ ኸኣ ሃብዎ፣+ ንሱ ግና ኣበየ። 24 ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ንምፍላጥ፡ ንኽዳውንቱ ዕጫ ኣውዲቖም ተማቐልዎ።+ 25 ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት* ከኣ ሰቐልዎ። 26 ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ “ንጉስ ኣይሁድ” ዚብል ጽሕፈት ክሱ ተጻሒፉ ነበረ።+ 27 ክልተ ኸተርቲ ኸኣ፡ ሓደ ብየማኑ፡ ሓደ ድማ ብጸጋሙ ምስኡ ሰቐሉ።+ 28 *—— 29 ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ ርእሶም እናነቕነቑን+ ከምዚ እናበሉን ጸረፍዎ፦ “ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡+ 30 እስከ ኻብ ጕንዲ ስቅያት* ወሪድካ፡ ርእስኻ ኣድሕን።” 31 ከምኡ ድማ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጸሓፍቲ ዀይኖም፡ ንሓድሕዶም ከምዚ እናተባሃሃሉ ኣላገጹሉ፦ “ንኻልኦት ኣድሒንዎም፣ ንርእሱ ግና ኬድሕና ኣይከኣለን!+ 32 ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ ጕንዲ ስቅያት* ይውረድ።”+ እቶም ምስኡ እተሰቕሉ እውን ይጸርፍዎ ነበሩ።+ 33 ሻድሸይቲ ሰዓት* ምስ ኰነት፡ ክሳዕ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ።+ 34 ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት፡ የሱስ፡ “ኤሊ፡ ኤሊ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ማለት እዩ።+ 35 ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ነዚ ሰሚዖም፡ “እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ” በሉ። 36 ሓደ ግና ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣብ መጺጽ ወይኒ ኣሊኹ፡ “ሕደግዎ! ኤልያስ ኬውርዶ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እስከ ንርአ” እናበለ ኣብ ሻምብቆ ገይሩ ኺሰትዮ ሃቦ።+ 37 የሱስ ግና ዓው ኢሉ ምስ ጨርሐ፡ ትንፋሱ ሓለፈት።+ 38 መጋረጃ መቕደስ+ ድማ ካብ ላዕሊ ኽሳብ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ።+ 39 እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ትንፋሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝሓለፈት ምስ ረኣየ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” በለ።+ 40 ኣንስቲ እውን ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ፣ ካባታተን ከኣ ማርያም መግደላዊትን እታ ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሴን ዝዀነት ማርያምን ሰሎሜን ነበራ።+ 41 ንሳተን ኣብ ገሊላ ኸሎ ዜሰንያኦን ዜገልግላኦን ዝነበራ እየን፣+ ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲ እውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ ነበራ። 42 ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረት፡ 43 ሕፉር ኣባል ቤት ምኽሪ ዝነበረ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እውን ዚጽበያ ዝነበረ፡ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ መጸ። ተቢዑ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ሬሳ የሱስ ለመነ።+ 44 ጲላጦስ ግና ድሮ ሙማቱ ገረሞ፣ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ ድማ፡ የሱስ ድሮ ሞይቱ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። 45 ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ኣረጋገጸ ኸኣ፡ ሬሳኡ ንዮሴፍ ሃቦ። 46 ንሱ ድማ ቅጭን በፍታ ዓዲጉ፡ ኣውሪዱ፡ በቲ ቕጭን በፍታ ገኒዙ፡ ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብር ኣንበሮ፣+ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ እምኒ ኣንከባሊሉ ዓጸዎ።+ 47 ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ዮሴን ግና፡ እተነብረሉ ቦታ ይርእያ ነበራ።+ 17 ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “መዐንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዐንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ! 2 ንሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ኻብ ዚዕንቅፍሲ፡ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሓሾ።+ 3 ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በዲሉካ፡ ግንሓዮ፣+ እንተ ተጣዒሱ ኸኣ፡ ሕደገሉ።+ 4 ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሳዕ እኳ እንተ በደለካ፡ ‘ተጣዒሰ’ እናበለ ኸኣ ሸውዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመሊሱ፡ ሕደገሉ።”+ 5 ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፡ “እምነት ወስኸና” በልዎ።+ 6 ጐይታ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ኦም* እዚ፡ ‘ተመንቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል!’ ምበልኩምዎ እሞ፡ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።+ 7 “ካባኻትኩምከ ዚሓርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ፡ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፡ ‘ቀልጢፍካ ንዓ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጥ’ ዚብሎ መን ኣሎ፧ 8 የግዳስ፡ ‘ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፣ ድሕሪኡ ኽትበልዕን ክትሰትን ትኽእል ኢኻ’ ደይኰነን ዚብሎ፧ 9 እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ፡ ነቲ ባርያ የመስግኖዶ፧ 10 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፡ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና። እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ጌርና’ በሉ።”+ 11 ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ። 12 ናብ ሓንቲ ቝሸት ኪኣቱ ኸሎ ኸኣ፡ ዓሰርተ ድዉያት ተጓነፍዎ፣ ግናኸ፡ ኣብ ርሑቕ ደው በሉ።+ 13 ድምጾም ዓው ኣቢሎም ከኣ፡ “ኦ የሱስ፡ መምህር፡ ምሓረና!” በሉ። 14 ንሱ ምስ ረኣዮም ድማ፡ “ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ” በሎም።+ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ነጽሁ።+ 15 ሓደ ኻባታቶም ድማ፡ ከም ዝሓወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣሞገሰ ተመልሰ። 16 እናኣመስገኖ ኸኣ ብገጹ ኣብ እግሪ የሱስ ተደፍአ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ ነይሩ።+ 17 የሱስ ድማ፡ “ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ 18 ብዘይካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፧” ኢሉ መለሰ። 19 ንዕኡ ኸኣ፡ “ተንስእ እሞ ኺድ፣ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ።+ 20 ፈሪሳውያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ከም እትመጽእ ምስ ሓተትዎ፡+ “መንግስቲ ኣምላኽ ብግህዶ ኣይኰነትን እትመጽእ፣ 21 ‘እንሃ ኣብዚ’ ወይ ‘ኣብቲ’ እውን ኣይብልዋን እዮም። እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም* ኣላ” ኢሉ መለሰሎም።+ 22 ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ሓንቲ ኻብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ክትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ግናኸ ኣይክትርእዩን ኢኹም። 23 ‘እንሆ ኣብቲ’ ወይ ‘እንሆ ኣብዚ’ ድማ ኪብሉኹም እዮም። ኣይትኺዱ፡ ኣይትስዓብዎም እውን።+ 24 በርቂ በሪቑ ኻብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳብ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዜብርህ፡ ወዲ ሰብ እውን+ ብመዓልቱ ኸምኡ ኪኸውን እዩ።+ 25 ቅድም ግና ብዙሕ መከራ ኺጸግብን በዚ ወለዶ እዚ ኺነዓቕን ኣለዎ።+ 26 ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ ኸኣ፡+ ብዘመን ወዲ ሰብ እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ፦+ 27 ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ+ ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ፣ ማይ ኣይሂ ድማ መጸ፡ ንዅላቶም እውን ኣጥፍኦም።+ 28 ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፦+ ይበልዑን ይሰትዩን ይዕድጉን ይሸጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። 29 በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ግና፡ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ዘነመ፡ ንዅላቶም ከኣ ኣጥፍኦም።+ 30 በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 31 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ፡ ኣቕሑ ግና ኣብ ቤት ዘለዎ፡ ኪወስዶ ኢሉ ኣይውረድ፣ ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ንድሕሪት ኣይመለስ። 32 ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።+ 33 ንህይወቱ* ኼድሕና ዚደሊ ዘበለ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ኬድሕና እዩ።+ 34 በታ ለይቲ እቲኣ፡ ክልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ኪዀኑ እዮም፣ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 35 ክልተ ኣብ ሓንቲ መጥሓን ኪጥሕና እየን፣ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ሓንቲ ግና ክትሕደግ እያ።” 36 *—— 37 መሊሶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣበይ፧” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ንስርታት ኪእከቡ እዮም” በሎም።+ 18 ኵሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦምን ኪሕለሉ ኸም ዘይብሎምን ድማ፡ ብምሳሌ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦+ 2 “ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ፡ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር ሓደ ፈራዲ ነበረ። 3 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ፡ ሓንቲ መበለት ነበረት፣ ናብኡ እናተመላለሰት ድማ፡ ‘ምስ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ’ ትብሎ ነበረት። 4 ንእተወሰነ ግዜ ኣበያ፣ ድሕሪኡ ግና ብልቡ፡ ‘ንኣምላኽ እኳ እንተ ዘይፈራህኩ፡ ንሰብ እውን እንተ ዘይሓፈርኩ፡ 5 እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ተብለኒ ኣላ እሞ፡ እናመጸት ብልማኖኣ ኸይተሰልክየንስ፡* ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ’ በለ።”+ 6 ጐይታ ኸኣ፡ “እዚ ፈራዲ እዚ ዓማጺ ኽነሱ፡ ዝበሎ ስምዑ። 7 ኣምላኽ ግዳ ዚዕገሶም እኳ ኽነሱ፡+ ነቶም መዓልትን ለይትን ናብኡ ዚጭርሑ ሕሩያቱ ፍትሒዶ ኣየውጽኣሎምን፧+ 8 እብለኩም ኣለኹ፡ ቀልጢፉ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ። ወዲ ሰብ ምስ መጸ ግና፡ ነዛ እምነት እዚኣ* ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረኽባ እዩ፧” በለ። 9 ጻድቃን ከም ዝዀኑ ብርእሶም ንዚእመኑ፡ ንኻልኦት እውን ንዚንዕቁ ድማ፡ እዛ ምሳሌ እዚኣ መሰለሎም፦ 10 “ክልተ ሰብኡት፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣካብ ቀረጽ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። 11 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ከም ካልኦት ሰባት፡ ከም ዘረፍቲ፡ ከም ዓመጽቲ፡ ከም ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ኣካብ ቀረጽ እዚ እውን ስለ ዘይኰንኩ፡ አመስግነካ ኣለኹ። 12 ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ዘጥርዮ ኸኣ ዕሽር እህብ እየ።’+ 13 እቲ ኣካብ ቀረጽ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፡ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ንዓይ ንሓጥእ ራሕርሓለይ’* እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ኬልዕል እኳ ኣይደፈረን።+ 14 እብለኩም ኣለኹ፡ ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪልዕል እዩ እሞ፡+ እዚ ሓለፋ እቲ ፈሪሳዊ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ወረደ።”+ 15 ምእንቲ ኺትንክዮም ድማ ሕጻናቶም የምጽኡሉ ነበሩ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ እዚ ርእዮም ገንሕዎም።+ 16 የሱስ ግና ነቶም ሕጻናት ጸዊዑ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ናባይ ኪመጹ ሕደግዎም፡ ኣይትኸልክልዎም።+ 17 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይቅበላ ዘበለ፡ ከቶ ኣይኪኣትዋን እዩ” በለ።+ 18 ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ከኣ፡ “ኣታ ሕያዋይ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ 19 የሱስ ድማ፡ “ስለምንታይ ሕያዋይ* እትብለኒ፧ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ ሕያዋይ* የልቦን።+ 20 ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኢኻ፦ ‘ኣይትዘሙ፡+ ኣይትቕተል፡+ ኣይትስረቕ፡+ ብሓሶት ኣይትመስክር፡+ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር’” በሎ።+ 21 ንሱ ኸኣ፡ “እዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ እሕልዎ ኣለኹ” በሎ። 22 የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “ገና ሓንቲ ጐዲላትካ፦ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ዓድል፡ ኣብ ሰማያት ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+ 23 ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየ።+ 24 የሱስ ድማ ጠሚትዎ፡ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትዉስ፡ ክንደይ ጭንቂ እዩ ዚዀኖም!+ 25 ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” በለ።+ 26 እቶም ነዚ ዝሰምዑ ኸኣ፡ “መን ደኣ ኺድሕን ይኽእል፧” በሉ።+ 27 ንሱ ድማ፡ “እቲ ብሰባት ዘይከኣል፡ ብኣምላኽ ይከኣል እዩ” በለ።+ 28 ጴጥሮስ ከኣ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዘሎና ሓዲግና ስዒብናካ” በሎ።+ 29 ንሱ ኸኣ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ውሉዳት ዝሓደገ ዘበለ፡+ 30 ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ዕጽፊ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት* ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን” በሎም።+ 31 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ “እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣለና፣ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ብነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ።+ 32 ንኣብነት፡ ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡+ ኬላግጹሉ፡+ ኪገፍዕዎ፡ ጡፍ እውን ኪብሉሉ እዮም።+ 33 ምስ ገረፍዎ ኸኣ፡ ኪቐትልዎ እዮም፣+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ግና ኪትንስእ እዩ” በሎም።+ 34 ንሳቶም ግና ካብዚ ሓደ እኳ ኣይተረድኡን፣ እዚ ዘረባ እዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ፡ ነቲ እተባህለ ኣይፈልጥዎን ነበሩ። 35 የሱስ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረበ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።+ 36 ህዝቢ ኺሓልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ሓተተ። 37 “የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ድማ ነገርዎ። 38 ንሱ ኸኣ፡ “የሱስ፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ!” ኢሉ ጨርሐ። 39 እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ድማ፡ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፣ ንሱ ግና፡ “ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ!” እናበለ ኣዝዩ ጨርሐ። 40 የሱስ ከኣ ደው ኢሉ፡ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ 41 “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ክርኢ” በለ። 42 የሱስ ከኣ፡ “ርአ፣ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ።+ 43 ብቕጽበት ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣሞገሰ ኸኣ ሰዓቦ።+ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን፡ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።+ 23 ኵላቶም ተንሲኦም ከኣ፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ።+ 2 “እዚ ንህዝብና ኼስድዖም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኪኽልክሎም፡+ ንሱ ባዕሉ ክርስቶስ ንጉስ ከም ዝዀነ ኸኣ ኪዛረብ ከሎ ረኺብናዮ”+ ኢሎም ድማ ኪኸስስዎ ጀመሩ።+ 3 ጲላጦስ ከኣ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 4 ጲላጦስ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ህዝብን፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ ሓንቲ ገበን እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም።+ 5 ንሳቶም ግና፡ “ካብ ገሊላ ኣትሒዙ ኽሳብ ኣብዚ፡ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሃረ ንህዝቢ የለዓዕል ኣሎ” ኢሎም ተረሩ። 6 ጲላጦስ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ እዚ ሰብ እዚ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሓተተ። 7 ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ድማ፡+ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፣ ንሱ እውን በተን መዓልትታት እቲአን ኣብ የሩሳሌም ነበረ። 8 ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ ሰሚዑ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፡+ ንሱ ዚገብሮ ገለ ትእምርቲ ኺርኢ እውን ተስፋ ይገብር ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። 9 ብዙሕ ከኣ ሓተቶ፣ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን።+ 10 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስስዎ ነበሩ። 11 ሄሮድስ ከኣ ምስ ወተሃደራቱ ዀይኑ ኣቃለሎ፡+ ብሉጽ ክዳን ከዲኑ ኣላገጸሉ፡+ መሊሱ ኸኣ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ። 12 ቅድሚኡ፡ ሄሮድስን ጲላጦስን ጽልኢ እኳ እንተ ነበሮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ተዓራረኹ። 13 ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንኣሕሉቕን ንህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፡ 14 “ነዚ ሰብ እዚ፡ ንህዝቢ የዕሉ ኸም ዘሎ ጌርኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ። እንሆ ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ ነዚ እትኸስስዎ ዘለኹም ክሲ፡ ዋላ ሓንቲ መሰረት ኣይረኸብኩሉን።+ 15 ሄሮድስ እውን መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረኸበሉን፣ እንሆ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። 16 ስለዚ፡ ቀጺዐ+ ኽፈትሖ እየ” በሎም። 17 *—— 18 ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና፡ “ነዚ ኣጥፍኣዮ፡* ንበርባን ደኣ ፍትሓልና” ኢሎም ጨደሩ።+ 19 (ንሱ ኣብ ከተማ ብእተገብረ ናዕብን ብቕትለት ነፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ።) 20 ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ኪፈትሖ ደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም።+ 21 ንሳቶም ግና፡ “ስቐሎ! ስቐሎ!” ኢሎም ጨደሩ።+ 22 ሳልሳይ ሳዕ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ ክፉእ ገይሩ፧ ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይረኸብኩሉን፣ ስለዚ፡ ቀጺዐ ኽፈትሖ እየ” በሎም። 23 ንሳቶም ከኣ ተረሩ፣ ዓው ኢሎም ከኣ ኪሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ፡ ቃሎም ሰዓረ።+ 24 ጲላጦስ ድማ ከም ልማኖኦም ኪዀነሎም ፈረደ። 25 ነቲ ብናዕብን ብቕትለት ነፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እሞ ዝለመኑሉ ፈትሓሎም፣ ንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሃቦ። 26 ኪወስድዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ኻብ ገጠር ኪኣቱ ኸሎ፡ ሓዝዎ፣ ደድሕሪ የሱስ፡ ጕንዲ ስቅያት* ኪጸውር ድማ፡ ኣሰከምዎ።+ 27 ብዙሕ ህዝቢ ድማ ይስዕቦ ነበረ፣ ኣንስቲ እውን ደረተን ይወቕዓሉን የልቅሳሉን ነበራ። 28 የሱስ ከኣ ናብተን ኣንስቲ ግልጽ ኢሉ፡ “ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ደጊም ኣይትብከያለይ። ንርእስኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብኸያ፣+ 29 እንሆ፡ ‘እታ መኻንን እታ ዘይወለደት ከርስን እተን ዘየጥበዋ ኣጥባትን ሕጉሳት እየን!’ ዚብሉለን መዓልትታትሲ ኺመጻ እየን።+ 30 ሽዑ፡ ንኣኽራን፡ ‘ኣብ ልዕሌና ውደቑ!’ ንዅርባታት እውን፡ ‘ክደኑና!’ ምባል ኪጅምሩ እዮም።+ 31 ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ምስ ነቐጸ ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ፧” በለ። 32 ንኽልተ ኻልኦት ገበነኛታት እውን፡ ምስኡ ኪቕተሉ ኣምጽእዎም።+ 33 ቀረንቀራ ናብ እትብሃል ቦታ ምስ በጽሑ፡+ ንዕኡን ነቶም ገበነኛታትን ሰቐልዎም፣ ሓደ ብየማኑ፡ ሓደ ብጸጋሙ ገይሮም እውን ሰቐልዎም።+ 34 የሱስ ግና፡ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” ይብል ነበረ። ንኽዳውንቱ ኺማቐልዎ ድማ ዕጫ ኣውደቑ።+ 35 እቲ ህዝቢ ኸኣ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ። እቶም ኣሕሉቕ ግና፡ “ንኻልኦት ኣድሒንዎም፣ ንሱ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ፡* እቲ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን” ኢሎም የናሽውዎ ነበሩ።+ 36 እቶም ወተሃደራት እውን ቀሪቦም መጺጽ ወይኒ እናኣቕረቡ የላግጹሉ፡+ 37 “ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ኣድሕን” ድማ ይብልዎ ነበሩ። 38 ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ “እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ነበረ።+ 39 ሓደ ኻብቶም እተሰቕሉ ገበነኛታት ከኣ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ደይኰንካን፧ ንርእስኻን ንዓናን ኣድሕን” ኢሉ ጸረፎ።+ 40 እቲ ኻልኣዩ ግና ገንሖ፡ “ከም ናቱ ዝበለ ፍርዲ ተፈሪዱካ ኸሎስ፡ ንኣምላኽ ኣይትፈርህን ዲኻ፧ 41 ንሕናስ ብሰሪ ግብርና ብሓቂ ዚግብኣና ኢና ረኺብና፣ እዚ ግና ሓንቲ በደል እኳ ኣይገበረን” ከኣ በሎ። 42 ድሕሪኡ፡ “የሱስ፡ መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” በሎ።+ 43 ንሱ ድማ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” በሎ።+ 44 ድሮ ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣቢላ ነበረት፣ ግናኸ፡ ክሳዕ ታሽዐይቲ ሰዓት* ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ፣+ 45 ጸሓይ ጸልመተት፣ መጋረጃ መቕደስ+ ከኣ ኣብ ማእከሉ ተተርተረ።+ 46 የሱስ ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ኣቦ፡ መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ” ኢሉ ጨርሐ።+ እዚ ምስ በለ፡ ትንፋሱ ሓለፈት።+ 47 እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ “እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ጻድቕ እዩ ነይሩ” እናበለ ንኣምላኽ ኣሞገሰ።+ 48 ኵሎም እቶም ኪርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ፡ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ። 49 ኵሎም እቶም ዚፈልጥዎ ኸኣ፡ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ነበሩ። ካብ ገሊላ ዝሰዓባኦ ኣንስቲ እውን ኣብኡ ነበራ፣ ነዚ ድማ ረኣያ።+ 50 እንሆ ኸኣ፡ ዮሴፍ ዝስሙ ኣባል ቤት ምኽሪ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ።+ 51 (ንሱ ኣብቲ ተንኰሎምን ግብሮምን ኣይሓበረን።) ንሱ ኣርማትያስ ካብ እትብሃል ከተማ ኣይሁድ ነበረ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ እውን ይጽበያ ነበረ። 52 ናብ ጲላጦስ ከይዱ ኸኣ፡ ሬሳ የሱስ ለመነ። 53 ኣውሪዱ+ ድማ ብቕጭን በፍታ ገነዞ፣ ገና ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብር እውን ኣንበሮ።+ 54 መዓልቲ ምድላው ድማ ነበረት፣+ ሰንበት+ እውን ትቐርብ ነበረት። 55 እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ስዒበን፡ ነቲ መቓብርን ሬሳኡ ኸመይ ከም እተነብረን ረኣያ፣+ 56 ሽቱን ቅዱይ ቅብእን ኬዳልዋ ድማ ተመልሳ። ግናኸ፡ ከምቲ ትእዛዝ፡ ብሰንበት ዓረፋ።+ 19 ናብ ያሪኮ ኣትዩ ኸኣ፡ ብእኣ ይሓልፍ ነበረ። 2 ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ሓለቓ ኣከብቲ ቐረጽ ነበረ፡ ሃብታም እውን ነበረ። 3 ንየሱስ መን ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፣ ቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ህዝቢ፡ ኣይከኣለን። 4 የሱስ በታ መገዲ እቲኣ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ቕድሚት ጐይዩ፡ ኪርእዮ ኣብ ሳግላ ሓዀረ። 5 የሱስ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠመቶ እሞ፡ “ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ። 6 ንሱ ኸኣ ቀልጢፉ ወረደ፡ ተሓጒሱ እውን ተቐበሎ። 7 እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ “ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣትዩ” ኢሎም ኵላቶም ኣዕዘምዘሙ።+ 8 ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፍርቂ ንብረተይ ንድኻታት እህብ ኣለኹ፣ ዝዘረፍክዎ* እንተ ኣልዩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” በሎ።+ 9 የሱስ ድማ፡ “ንሱ እውን ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ድሕነት ኰይኑላ። 10 ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኺደልን ኬድሕንን እዩ መጺኡ” በለ።+ 11 ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ስለ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብቕጽበት እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ካልእ ምሳሌ መሰለ።+ 12 ስለዚ፡ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ወዲ ዓበይቲ፡ ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ።+ 13 ንዓሰርተ ኻብ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ፡ በዚ ንገዱ’ ኢሉ ዓሰርተ ምና* ሃቦም።+ 14 ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ ‘እዚ ኽነግሰና ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም ደድሕሪኡ ልኡኻት ለኣኹ። 15 “ንግስና* ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ገንዘብ* ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ነጊዶም ከም ዝረብሑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ።+ 16 እቲ ቐዳማይ ከኣ ቀሪቡ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ’ በለ።+ 17 ንሱ ኸኣ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ! ብንእሽቶ እሙን ስለ ዝዀንካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ።+ 18 እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ’ እናበለ መጸ።+ 19 ነዚ ኸኣ፡ ‘ንስኻ እውን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ። 20 ሓደ ኻልእ ግና ከምዚ እናበለ መጸ፦ ‘ጐይታይ፡ እዛ ኣብ ጨርቂ ሓቢአ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃትልካ። 21 ዘየንበርካዮ እትወስድ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ፈሪሀካ።’+ 22 ንሱ ድማ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከም ዘረባኻ እፈርደካ ኣለኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዝወስድ፡ ዘይዘራእክዎ ኸኣ ዝዓጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይዶ ትፈልጥ ኔርካ፧+ 23 ስለምንታይ ደኣ ገንዘበይ* ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ እውን መጺአ፡ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፧’ በሎ። 24 “ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፡ ‘እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም።+ 25 ንሳቶም ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ንሱስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ’ በልዎ።— 26 ‘እብለኩም ኣለኹ፡ ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እውን የግድፍዎ።+ 27 ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደልዩ ጸላእተይ ከኣ፡ ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም።’” 28 እዚ ምስ በለ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ከደ። 29 ናብተን ደብረ ዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ዚርከባ ቤት-ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረበ፡+ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ፣+ 30 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣብ ማዕዶኹም ናብ ዘላ ቝሸት ኪዱ፣ ናብኣ ምስ ኣቶኹም ከኣ፡ ብኡብኡ ሰብ ተወጢሕዎ ዘይፈልጥ ጻዕብ ተኣሲሩ ኽትረኽቡ ኢኹም፣ ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽእዎ። 31 ገለ ሰብ፡ ‘ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኩም፡ ‘ጐይታ ደልይዎ ኣሎ’ በሉ።” 32 እቶም እተላእኩ ኸኣ ከይዶም፡ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ።+ 33 ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ዋናታቱ፡ “ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም፧” በልዎም። 34 ንሳቶም ድማ፡ “ጐይታ ደልይዎ ኣሎ” በልዎም። 35 ናብ የሱስ ከኣ ኣምጽእዎ፣ ኣብቲ ጻዕብ ድማ ክዳውንቶም ጠይቂ ገበሩ እሞ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ።+ 36 ንሱ ኪኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ የንጽፉ ነበሩ።+ 37 ናብታ ኻብ ደብረ ዘይቲ ንቝልቁል እተውርድ መገዲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዅሉ ግብርታት ሓይሊ ኺሕጐሱን ዓው ብዝበለ ድምጺ ንኣምላኽ ኪውድስዎን ጀመሩ፣ 38 “ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ! ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ድማ ኣብ ላዕሊ!” ድማ ይብሉ ነበሩ።+ 39 ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ገሊኦም ፈሪሳውያን ግና፡ “መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም” በልዎ።+ 40 ንሱ ኸኣ፡ “እብለኩም ኣለኹ፡ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዚ ኣእማን እዚ ኺጭድር እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 41 ምስ ቀረበ፡ ነታ ኸተማ ረኣያ እሞ፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፦+ 42 “ኣየ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ካብ ኣዒንትኺ ተሰዊሩ ኣሎ።+ 43 ጸላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ዕርዲ ዓሪዶም ዚኸብቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ዜጽብቡልኪ መዓልትታት ኪመጻ እየን።+ 44 እትምርመርሉ እዋን ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪድዕምኹኹም፡+ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸኣ ኣይኪሓድጉልክን እዮም።”+ 45 ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡ ዝነበሩ ኺሰጕጎም ጀመረ፣+ 46 “‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፣+ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ጌርኩምዋ” ድማ በሎም።+ 47 መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኣውራታት እቲ ህዝብን ድማ ኪቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ፣+ 48 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዓስሎ ነበረ እሞ፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ጠፍኦም።+ 20 ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲአን፡ ንህዝቢ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህርን ኬበስርን ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም መጹ፣ 2 “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧ ወይስ ነዚ ስልጣን እዚ ዝሃበካ መን እዩ፧ እስከ ንገረና” ድማ በልዎ።+ 3 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ እውን ሕቶ ኽሓትተኩም እሞ፡ ንገሩኒ፦ 4 ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ድያ ነይራ፡ ወይስ ካብ ሰብ፧” ኢሉ መለሰሎም። 5 ንሳቶም ከኣ ከምዚ ኢሎም ሓሰቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ። 6 ‘ካብ ሰብ’ እንተ ኢልና ግና፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብዳርባ እምኒ ኪቐትለና እዩ።”+ 7 ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ ድማ መለሱሉ። 8 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም። 9 ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዛ ምሳሌ እዚኣ ኺምስለሎም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡+ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ* ኸኣ ንነዊሕ እዋን ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።+ 10 ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኺህብዎ ኢሉ፡ ናብቶም ሓረስቶት፡ ባርያ ለኣኸ። እቶም ሓረስቶት ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ።+ 11 ከም ብሓድሽ ድማ ካልእ ባርያ ለኣኸ። ንዕኡ እውን ወቒዖምን ኣዋሪዶምን* ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 12 መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፣ ንዕኡ እውን ኣቝሲሎም ሰጐጕዎ። 13 እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ‘እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ፍቑር ወደይ ደኣ ኽልእኽ።+ ንዕኡስ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑ’ በለ። 14 እቶም ሓረስቶት ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ ‘እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ ንቕተሎ እሞ፡ ርስቱ ናትና ኪኸውን እዩ’ ተባሃሃሉ። 15 ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ድማ ቀተልዎ።+ እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ደኣ እንታይ ኰን ኪገብሮም እዩ፧ 16 መጺኡ ነቶም ሓረስቶት ኪቐትሎም፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ንኻልኦት ኪህቦ እዩ።” እዚ ምስ ሰምዑ፡ “እዝስ ኣይውረድ!” በሉ። 17 ንሱ ግና ጠመቶም እሞ፡ “‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ኰይኑ ኣሎ’ ዚብል ጽሑፍ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧+ 18 እቲ ኣብቲ እምኒ እቲ ዚወድቕ ዅሉ ኺሰባበር እዩ።+ ንሱ ዚወድቆ ድማ ኪሕምሸሽ እዩ” በሎም። 19 ጸሓፍትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ከኣ፡ እዛ ምሳሌ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺሕዝዎ ደለዩ፣ ግናኸ ንህዝቢ ፈርሁ።+ 20 ምስ ተኸታተልዎ ኸኣ፡ ብዘረባኡ ምእንቲ ኺሕዝዎ+ እሞ፡ ንመንግስትን ንስልጣን እቲ ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኺህብዎ፡ ቅኑዓት ዚመስሉ ብሕቡእ ዓሲቦም ሰደዱ። 21 ንሳቶም ድማ፡ “መምህር፡ መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ ትምህር እምበር፡ ከም ዘይተዳሉን ብቕንዕና ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና፦ 22 ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱልና* ድዩ ወይስ ኣይፋልን፧” ኢሎም ሓተትዎ። 23 ንሱ ግና ጕርሖም ፈሊጡ፡ 24 “ዲናር* ኣርእዩኒ። እዚ ምስልን ጽሕፈትን ናይ መን እዩ፧” በሎም። ንሳቶም፡ “ናይ ቄሳር” በልዎ። 25 ንሱ ኸኣ፡ “እምበኣር፡ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡+ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ”+ በሎም። 26 ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ በዚ ዘረባ እዚ ኺሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪሞም ኣጽቀጡ። 27 ገለ ኻብቶም ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን+ መጺኦም ከምዚ ኢሎም ሓተትዎ፦+ 28 “መምህር፡ ሙሴ፡ ‘ሓደ ሰብ ሰበይቲ ሓዲጉ፡ ውሉድ ግና ከይሓደገ እንተ ሞይቱ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ፡ ካብኣ ንሓዉ ዘርኢ የተንስኣሉ’ ኢሉ ጽሒፉልና።+ 29 እምበኣር፡ ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ። 30 እቲ ኻልኣይ እውን ከምኡ፣ 31 እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳ። ከምኡ ኸኣ ሸውዓቲኦም ወሪሶምዋስ፡ ውሉዳት ከይሓደጉ ሞቱ። 32 መወዳእታኡ፡ እታ ሰበይቲ እውን ሞተት። 33 እሞ ደኣ፡ ንሸውዓቲኦም ሰበይቲ ዀይናቶም ነይራ እያ እሞ፡ ብትንሳኤ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” 34 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ደቂ እዚ ስርዓት* እዚ ይምርዓዉን የመርዕዉን፣ 35 እቶም ነቲ ስርዓት እትን ንትንሳኤ ምዉታትን ኪረኽቡ ዚበቕዑ ግና፡ ኣይምርዓዉ ኣየመርዕዉ።+ 36 ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑ፡ ኪሞቱ ኣይክእሉን እዮም፣ ውሉዳት ትንሳኤ ብምዃኖም ከኣ፡ ውሉዳት ኣምላኽ እዮም። 37 ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዚገልጽ ዛንታ፡ ንየሆዋ፡* ‘ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን’ ብምባሉ ኣርእዩ እዩ።+ 38 ንዕኡ* ዅላቶም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን።”+ 39 ገለ ኻብቶም ጸሓፍቲ ኸኣ፡ “መምህር፡ ጽቡቕ ተዛሪብካ” ኢሎም መለሱሉ። 40 ድሕርዝስ፡ ሓንቲ እኳ ኺሓትትዎ ኣይደፈሩን። 41 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም፦ “ከመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዚብሉ፧+ 42 ከመይሲ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር፡ ‘የሆዋ* ንጐይታይ፡ 43 “ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ’ ኢሉ እዩ።+ 44 እሞ ደኣ፡ ዳዊት፡ ‘ጐይታይ’ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧” 45 ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዖ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦ 46 “ወለል ዚብል ክዳውንቲ ተኸዲኖም ኪዛወሩ ኻብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ሰላምታ፡ ኣብ ምኵራባት ቀዳሞት* መናብር፡ ኣብ ድራር ከኣ ምርኡይ ቦታ ኻብ ዚፈትዉ ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ።+ 47 ንሳቶም ኣባይቲ* መበለታት ይውሕጡ፡ ምእንቲ ኺርኣዩ* ድማ ጸሎት የንውሑ እዮም። እዚኣቶም ዝገደደ* ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።” 3 ኣብ መበል 15 ዓመት ንግስና ጢቤርዮስ ቄሳር፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ሹም ኰይኑ ኸሎ፡ ሄሮድስ*+ ድማ ገዛኢ ኣውራጃ* ገሊላ ኸሎ፡ ሓዉ ፊልጶስ ከኣ ገዛኢ ኣውራጃ ሃገረ ኢጡርያን ጥራኮኒቲስን ከሎ፡ ሊሳንያስ እውን ገዛኢ ኣውራጃ ኣቢለኔ ኸሎ፡ 2 ሃናን ቀያፋን ሊቃውንቲ ኻህናት ከለዉ፡+ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ+ ወዲ ዘካርያስ፡ ኣብ በረኻ መጸ።+ 3 ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ፡ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ፣+ 4 እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ቃል መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዚብል እተጻሕፈ እዩ፦ “ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦ ‘መገዲ የሆዋ* ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ።+ 5 ስንጭሮ ዘበለ ይመላእ፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ለጥ ይበል፡ ጥውይዋይ ከኣ ትኽ ይበል፡ ድንጉር እውን እተመድመደ መገዲ ይኹን፣ 6 ኵሉ ስጋ* ድማ፡ ድሕነት ኣምላኽ* ኪርኢ እዩ።’”+ 7 ነቶም ብእኡ ኺጥመቑ ዝመጹ ህዝቢ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡* ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸተምልጡ ደኣ መን ኣጠንቂቑኩም፧+ 8 እምበኣር፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረታት ፍረዩ። ብልብኹም፡ ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና’ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ኣምላኽሲ ንኣብርሃም፡ ካብዚ ኣእማን እዚ ውሉዳት ኬተንስኣሉ ይኽእል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 9 ድሮ እኳ ፋስ ኣብ ሱር እቲ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። እምበኣር፡ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ኪቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ኪድርበ እዩ።”+ 10 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እንታይ እሞ ንግበር፧” ኢሎም ይሓትትዎ ነበሩ። 11 ንሱ ድማ፡ “ክልተ ቐምሽ* ዘለዎ፡ ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ፣ ዚብላዕ ዘለዎ እውን፡ ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም።+ 12 ኣከብቲ ቐረጽ እውን ኪጥመቑ መጺኦም፡+ “መምህር፡ እንታይ ንግበር፧” በልዎ። 13 ንሱ ኸኣ፡ “ካብቲ እተመደበ ቐረጽ፡ ሕልፊ ኣይተኽፍሉ”* በሎም።+ 14 ወተሃደራት እውን፡ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡* ብሓሶት እውን ኣይትኽሰሱ፣+ ደሞዝኩም ይእከልኩም” በሎም። 15 እቶም ህዝቢ ይጽበዩ ነበሩ እሞ፡ ኵላቶም ብዛዕባ ዮሃንስ፡ “ክርስቶስ ደዀን ይኸውን፧” ኢሎም ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ።+ 16 ዮሃንስ ከኣ ንዅላቶም ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነስ ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፣ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ።+ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።+ 17 ንዓውዱ ኣጸቢቑ ዜጽርየሉ፡ ንስርናዩ ኸኣ ኣብ ማዕከኑ ዚእክበሉ መዝረዊኡ ኣብ ኢዱ እዩ፣ ነቲ ብቝቡቝ ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።” 18 ነቶም ህዝቢ ብዙሕ ካልእ እናመዓዶም ድማ የበስሮም ነበረ። 19 ግናኸ፡ ዮሃንስ ንሄሮድስ እቲ ገዛኢ ኣውራጃ፡ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ዅሉ እከይን ምስ ገንሖ፡ 20 ንሱ እዚ ዅሉ ኸይኣኽሎ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጐኖ።+ 21 ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስ እውን ተጠምቀ።+ ኪጽሊ ኸሎ ድማ፡ ሰማይ ተኸፍተ፡+ 22 መንፈስ ቅዱስ እውን ከም ርግቢ ኣብኡ ወረደ፣ ካብ ሰማይ ከኣ፡ “ዝሰመርኩኻ፡ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዚብል ድምጺ መጸ።+ 23 የሱስ+ ዕዮኡ ኺጅምር ከሎ፡ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ነበረ፣+ ወዲ ዮሴፍ+ ድማ ይመስሎም ነበረ፡ወዲ ሄሊ፡ 24 ወዲ ማጣት፡ወዲ ሌዊ፡ወዲ መልኪ፡ወዲ ያና፡ወዲ ዮሴፍ፡ 25 ወዲ ማጣትዩስ፡ወዲ ኣሞጽ፡ወዲ ናሆም፡ወዲ ኣስሊ፡ወዲ ናጌ፡ 26 ወዲ መኣት፡ወዲ ማጣትዩስ፡ወዲ ሴሜን፡ወዲ ዮሴኽ፡ወዲ ዮዳ፡ 27 ወዲ ዮናን፡ወዲ ሬሳ፡ወዲ ዘሩባቤል፡+ወዲ ሸኣልቲኤል፡+ወዲ ኔሪ፡ 28 ወዲ መልኪ፡ወዲ ኣዲ፡ወዲ ቆሳም፡ወዲ ኤልማዳም፡ወዲ ዔር፡ 29 ወዲ የሱስ፡ወዲ ኤልዔዘር፡ወዲ ዮሪም፡ወዲ ማጣት፡ወዲ ሌዊ፡ 30 ወዲ ስምኦን፡ወዲ ይሁዳ፡ወዲ ዮሴፍ፡ወዲ ዮናም፡ወዲ ኤልያቂም፡ 31 ወዲ ሜልያ፡ወዲ ሜና፡ወዲ ማጣታ፡ወዲ ናታን፡+ወዲ ዳዊት፡+ 32 ወዲ እሴይ፡+ወዲ ዖቤድ፡+ወዲ ቦኣዝ፡+ወዲ ሰልሞን፡+ወዲ ነኣሶን፡+ 33 ወዲ ኣሚናዳብ፡ወዲ ኣርኒ፡ወዲ ሔጽሮን፡ወዲ ፋሬስ፡+ወዲ ይሁዳ፡+ 34 ወዲ ያእቆብ፡+ወዲ ይስሃቅ፡+ወዲ ኣብርሃም፡+ወዲ ታራ፡+ወዲ ናሆር፡+ 35 ወዲ ሴሩግ፡+ወዲ ረጉ፡+ወዲ ፌሌግ፡+ወዲ ዔበር፡+ወዲ ሸላሕ፡+ 36 ወዲ ቃይናን፡ወዲ ኣርፋክሳድ፡+ወዲ ሴም፡+ወዲ ኖህ፡+ወዲ ላሜክ፡+ 37 ወዲ ማቱሳላ፡+ወዲ ሄኖክ፡ወዲ ያሬድ፡+ወዲ መላልኤል፡+ወዲ ቃይናን፡+ 38 ወዲ ሄኖስ፡+ወዲ ሴት፡+ወዲ ኣዳም፡+ወዲ ኣምላኽ። 24 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና፡ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ።+ 2 እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ፣+ 3 ምስ ኣተዋ ድማ፡ ሬሳ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን።+ 4 በዚ ደንጽዩወን ከሎ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳን እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ። 5 ፈሪሀን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ “ስለምንታይ ነቲ ህያው ኣብ መንጎ ምዉታት ትደልያኦ ኣለኽን፧+ 6 ኣብዚ የሎን፡ ተንሲኡ እዩ። ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ እንታይ ከም እተዛረበ ዘክራ፣ 7 ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ሰባት ኣሕሊፍካ ኺውሃብን ኪስቀልን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ” በልወን።+ 8 ንሳተን ከኣ ነቲ ዘረባኡ ዘከራኦ፣+ 9 ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ንዅሎም ካልኦትን ነገራኦም።+ 10 ንሳተን፡ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ነበራ። ምሳታተን ዝነበራ ኻልኦት ኣንስቲ እውን፡ እዚ ንሃዋርያት ይነግራኦም ነበራ። 11 እዚ ዘረባ እዚ ግና፡ ሃተውቀጠው ኰይኑ ተራእዮም፡ ኣይኣመንወንን ከኣ። 12 ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፣ ድንን ኢሉ ኸኣ፡ በፍታ ጥራይ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመ እውን ከደ። 13 እንሆ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም 11 ኪሎ ሜተር ኣቢላ* ናብ እትርሕቕ ኤማሁስ እትብሃል ቍሸት ይኸዱ ነበሩ፣ 14 ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዅሉ ኸኣ፡ ይዛራረቡ ነበሩ። 15 ብዛዕባ እዚ ኺዛራረቡን ኪመያየጡን ከለዉ ድማ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ፣ 16 ኣዒንቶም ግና ኬለልያኦ ኣይከኣላን።+ 17 ንሱ ድማ፡ “እናኸድኩም እትዛራረቡሉ ዘለኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ ገጾም ብጕሁዩ ደው በሉ። 18 ሓደ ቀለዮጳ ዝስሙ ድማ፡ “በዘን መዓልትታት እዚአን ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ኣብኣ በይንኻ እትቕመጥ ጋሻ ዲኻ፧”* ኢሉ መለሰሉ። 19 ንሱ ኸኣ “እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ከምዚ በልዎ፦ “እዚ ናይ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ነገር፡+ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ዝነበረ ነብዪ፣+ 20 ሊቃውንቲ ኻህናትናን ኣሕሉቕናን ከመይ ገይሮም ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን+ ከም ዝሰቐልዎን፣ 21 ንሕና ግና፡ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ ኸም ዝዀነ ተስፋ ንገብር ኔርና።+ ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ኸኣ፡ እዚ ኻብ ዚኸውን፡ ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22 ግናኸ፡ ካባታትና ገለ ኣንስቲ ኣስተንኪረናና፣ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከይደን ነይረን፣+ 23 ሬሳኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን መላእኽቲ ብራእይ ከም ዝረኣያ መጺአን ነጊረናና። 24 ገለ ኻብቶም ምሳና ዝነበሩ ናብቲ መቓብር ከይዶም፣+ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ኸኣ ረኺቦምዎ፣ ንዕኡ ግና ኣይረኣይዎን።” 25 ንሱ ድማ፡ “ኣቱም ንዅሉ እቲ ነብያት እተዛረብዎ ንምእማን ልቦም ዝድንጉይ ዓያሹ! 26 ክርስቶስ እዚ መከራ እዚ ኺጸግብን+ ናብ ክብሩ ኺኣቱን+ ናይ ግዲ ደይኰነን፧” በሎም። 27 ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነብያትን ጀሚሩ ኸኣ፡+ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ተርጐመሎም። 28 ናብታ ዚኸድዋ ዝነበሩ ቝሸት ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ሓሊፉ ኸም ዚኸይድ መሰለ። 29 ንሳቶም ግና፡ “መስዩ እዩ፡ መዓልቲ እውን ዳርጋ ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር” ኢሎም ግዲ በልዎ። ንሱ ድማ ምሳታቶም ኪሓድር ኣተወ። 30 ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ፡ ቈሪሱ ሃቦም።+ 31 ሽዑ፡ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ፡ ኣለለይዎ፣ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።+ 32 ንሓድሕዶም ከኣ፡ “ኣብ መገዲ ኺዛረበናን ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኪገልጸልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ኣብ ውሽጥና ይነድድ ኣይነበረን፧” ተባሃሃሉ። 33 በታ ሰዓት እቲኣ ተንሲኦም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ፣ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዝነበሩን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም፣ 34 “ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እውን ተራእይዎ” ኺብሉ ኸኣ ጸንሕዎም።+ 35 ንሳቶም ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ብኸመይ ከም ዘለለይዎን፡ ነገርዎም።+ 36 እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ንሱ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው በለ፣ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” ድማ በሎም።+ 37 ተሸቢሮምን ፈሪሆምን ስለ ዝነበሩ ግና፡ መንፈስ ዝረኣዩ መሰሎም። 38 ንሱ ኸኣ፡ “ስለምንታይ እትርበሹ፧ ስለምንታይከ ኣብ ልብኹም ጥርጣረ ዚፍጠር፧ 39 ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ፣ መንፈስሲ ኸምዚ ኣባይ እትርእይዎ ዘለኹም ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምስሱንን ርኣዩንን” በሎም። 40 እዚ ኢሉ ኸኣ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41 ካብ ሓጐስ እተላዕለ ምእማን ስኢኖም ኪግረሙ ኸለው፡ ንሱ፡ “ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኩም፧” በሎም። 42 ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳ ሃብዎ፣ 43 ንሱ ድማ ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዐ። 44 ንሱ ኸኣ፡ “እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ኣብ ነብያትን ኣብ መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ+ ኺፍጸም ከም ዚግባእ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ” በሎም።+ 45 ሽዑ፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኬስተውዕልዎ፡ ኣእምሮኦም ኣጸቢቑ ኸፈተሎም፣+ 46 “ከምዚ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ፦ ክርስቶስ መከራ ኺጸግብ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡+ 47 ብስሙ ኸኣ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ንስሓ+ ኻብ የሩሳሌም ጀሚሩ+ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ እዩ፣+ 48 ንስኻትኩም ናይዚ መሰኻኽር ክትኰኑ ኢኹም።+ 49 እንሆ ድማ፡ እቲ ኣቦይ ዘተስፈወኩም ክሰድደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብዛ ኸተማ ጽንሑ” እውን በሎም።+ 50 ናብ ወጻኢ ድማ፡ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፣ ኣእዳዉ ኣልዒሉ እውን ባረኾም። 51 ኪባርኾም ከሎ ኸኣ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይ እውን ተወስደ።+ 52 ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስ እውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።+ 53 ንኣምላኽ እናወደሱ ኸኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስ ነበሩ።+ 7 ነቶም ህዝቢ ዚብሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ወድአ፡ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ። 2 ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ዜኽብሮ ባርያኡ ሓሚሙ፡ ኪመውት ቀሪቡ ነበረ።+ 3 ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዐ፡ መጺኡ ንባርያኡ ምእንቲ ኼሕውየሉ፡ ኪልምንዎ ኢሉ ዓበይቲ ኣይሁድ ለኣኸሉ። 4 እቶም ናብ የሱስ ዝመጹ፡ ከምዚ እናበሉ ኣጽኒዖም ለመንዎ፦ “እዚ ኽትገብረሉ ይግብኦ እዩ፣ 5 ከመይሲ፡ ንህዝብና ይፈቱ፡ ምኵራብ እውን ሃኒጹልና እዩ።” 6 የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ግና፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኣዕሩኹ ልኢኹ፡ ከምዚ በሎ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣይትድከም።+ 7 ስለዚ ድማ እየ ናባኻ ንምምጻእ፡ ንርእሰይ ብቕዕቲ ገይረ ዘይቈጸርክዋ። ሓንቲ ቓል በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ። 8 ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 9 የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብእኡ ተገረመ፣ ናብቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ህዝቢ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ፡ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።+ 10 እቶም እተላእኩ ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ባርያ ጥዕዩ ረኸብዎ።+ 11 ደድሕርዚ፡ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፣ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከኣ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። 12 ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፣ ንሱ ንኣዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ።+ ንሳ ኸኣ መበለት ነበረት። ካብታ ኸተማ እውን ብዙሓት ሰባት ምስኣ ነበሩ። 13 ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ፡+ “ደጊም ኣይትብከዪ” እውን በላ።+ 14 ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲ እውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣለኹ!” በሎ።+ 15 እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብ እውን ጀመረ፡ የሱስ ከኣ ንኣዲኡ ሃባ።+ 16 ንዅላቶም ፍርሃት ሓዞም፡ “ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡”+ ከምኡ ድማ “ኣምላኽ፡ ቈላሕታኡ ናብ ህዝቡ ገይሩ”+ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ። 17 እዚ ወሪኡ ድማ፡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ኵሉ ጐደቦታታን ተዘርግሐ። 18 ንዮሃንስ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ዅሉ ነገርዎ።+ 19 ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡+ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ናብ ጐይታ ለኣኾም። 20 እቶም ሰባት ናብኡ ምስ መጹ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡ ‘እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና” በልዎ። 21 በታ ሰዓት እቲኣ፡ ሕማምን ቃንዛን እኩያት መናፍስትን ዘለዎም ብዙሓት ኣሕወየ፡+ ንብዙሓት ዕዉራት እውን ከም ዚርእዩ ገበሮም። 22 ከምዚ ኢሉ ድማ መለሰሎም፦ “ኬድኩም፡ ዝረኣኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ፦ ዕዉራት ይርእዩ፡+ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡+ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ።+ 23 እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ፡ ሕጉስ እዩ።”+ 24 እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ኣብ በረኻ እንታይ ክትርእዩ ወጺእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፧+ 25 እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጺእኩም፧ ልስሉስ* ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብ፧+ ብሉጽ ክዳን እተኸድኑን ዝሓንቀቑንሲ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት እዮም ዘለዉ። 26 እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጺእኩም፧ ነብዪ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ደኣ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 27 እቲ፡ ‘እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ* እልእኽ ኣለኹ’ ተባሂሉ እተጻሕፈሉ፡ ንሱ እዩ።+ 28 እብለኩም ኣለኹ፡ ካብቶም ካብ ኣንስቲ እተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ ዚዓቢ ሓደ እኳ የልቦን፣ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነኣሰ ግና፡ ካብኡ ዝዓበየ እዩ።”+ 29 (ኵሎም እቶም ህዝብን ኣከብቲ ቐረጽን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ነበሩ እሞ፡ ኣምላኽ ጻድቕ ምዃኑ ተኣመኑ።+ 30 ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና፡ ብእኡ ኣይተጠምቁን ነበሩ እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ምኽሪ* ነዓቕዎ።)+ 31 “እምበኣር፡ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብመን ክምስሎም እየ፧ ንመንከ ይመስሉ፧+ 32 ኣብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ፡ ንሓድሕዶም ተጸዋዊዖም፡ ‘ሻምብቆ ነፊሕናልኩም፡ ግናኸ ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቂስናልኩም፡ ግናኸ ኣይበኸኹምን’ ዚብሉ ቘልዑ ይመስሉ። 33 ከምኡ ኸኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ እንጌራ ኸይበልዐን ወይኒ ኸይሰተየን ምስ መጸ፡+ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ትብሉ። 34 ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን ምስ መጸ ድማ፡ ‘እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን’ ትብሉ።+ 35 ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥበብ ብዅሎም ደቃ* እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ።”*+ 36 ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ፡ ምስኡ ኺበልዕ ይልምኖ ነበረ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37 እንሆ ድማ፡ ኣብታ ኸተማ ሓጥእ ብምዃና እተፈልጠት ሰበይቲ ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣብ መኣዲ ኸም እተቐመጠ ፈሊጣ፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ኣምጽአት።+ 38 ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ዀይና፡ እናበኸየት ብንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፣ ብጸጕሪ ርእሳ ኸኣ ደረዘቶ። ኣእጋሩ ድማ ኣጥቢቓ ሰዓመት፡ በቲ ቕዱይ ቅብኢ እውን ለኸየቶ። 39 እቲ ዝዓደሞ ፈሪሳዊ ነዚ ርእዩ፡ “እዚ፡ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ እትትንክዮ ዘላ ሓጥእ እያ እሞ፡ መን ምዃናን እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ምዃናን ምፈለጠ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።+ 40 የሱስ ከኣ፡ “ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ፡ “መምህር፡ ተዛረብ” በሎ። 41 “ንሓደ ኣለቃሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፣ እቲ ሓደ 500 ዲናር፡ እቲ ሓደ ድማ 50 ዲናር* ተዓድዮም ነበሩ። 42 ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካባታቶምሲ ዝያዳ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧” 43 ስምኦን ከኣ፡ “ንዓይሲ እቲ ዝያዳ እተሓድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ። ንሱ ድማ፡ “ቅኑዕ ፈሪድካ” በሎ። 44 ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ንስምኦን ከምዚ በሎ፦ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣለኻ፧ ናብ ቤትካ ኣትየ፡ ንእግረይ ማይ ኣይሃብካንን። እዚኣ ግና ንኣእጋረይ ብንብዓታ ኣጠልቅያቶ፡ ብጸጕራ እውን ደሪዛቶ። 45 ንስኻ ኣይሰዓምካንን፣ እዚኣ ግና ካብታ ዝኣቶኹላ ሰዓት ኣትሒዛ፡ ኣእጋረይ ኣጥቢቓ ኻብ ምስዓም ኣየቋረጸትን። 46 ንስኻ ንርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኸኻንን፣ እዚኣ ግና ንኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኽያቶ። 47 ስለዚ፡ ሓጢኣታ ብዙሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ተሓዲጉላ፡+ እብለካ ኣለኹ። እቲ ሒደት እተሓድገሉ ግና፡ ሒደት እዩ ዜፍቅር።” 48 ንዕኣ ድማ፡ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ” በላ።+ 49 እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ፡ ብልቦም፡ “ሓጢኣት እኳ ዚሓድግሲ፡ እዚ መን እዩ፧” ኪብሉ ጀመሩ።+ 50 ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ “እምነትኪ ኣድሒናትኪ፣+ ብሰላም ኪዲ” በላ። 12 ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ ኣእላፋት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ቅድም ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ተሓለዉ።+ 2 ዘይግለጽ ስዉር፡ ዘይፍለጥ ከኣ ሕቡእ የልቦን።+ 3 ስለዚ፡ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ፡ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ እዩ፣ ኣብ ብሑት ክፍልኹም ሕሹዅሹዅ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣብ ናሕስታት ኴንካ ኺስበኽ እዩ። 4 ንዓኻትኩም ንኣዕሩኸይ እብለኩም ኣለኹ፡+ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ድሕሪኡ ግና ዚገብርዎ ዘይብሎም ኣይትፍርህዎም።+ 5 ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፦ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም* ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ ፍርህዎ።+ እወ፡ ንዕኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 6 ሓሙሽተ ጨራሩ ብኽልተ ዘይረብሓ ሰናቲም* ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይትርሳዕን* እያ።+ 7 ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን።+ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።+ 8 “እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንዚእመነለይ ኵሉ፡+ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ሰማይ ኪእመነሉ እዩ።+ 9 ኣብ ቅድሚ ሰባት ዚኽሕደኒ ዘበለ ግና፡ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሓድ እዩ።+ 10 ኣንጻር ወዲ ሰብ ዚዛረብ ዘበለ ይሕደገሉ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ዘበለ ግና ኣይሕደገሉን እዩ።+ 11 ኣብ ቅድሚ ህዝባዊ ኣኼባታትን* ገዛእትን ሰበ ስልጣንን ምስ ዚወስዱኹም ግና፡ ከመይ ወይ እንታይ ኢልኩም ከም እትማጐቱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ፣+ 12 በታ ሰዓት እቲኣስ፡ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኺምህረኩም እዩ።”+ 13 ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፡ “መምህር፡ ንሓወይ ርስቲ ኺመቕለኒ ንገረለይ” በሎ። 14 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጎኹም ፈራዲ ወይስ ዳኛ ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” በሎ። 15 ሽዑ፡ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ እሞ፡+ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ድማ ተሓለዉ” በሎም።+ 16 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምሳሌ መሰለሎም፦ “ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግራውቱ ቐደወሉ። 17 ብልቡ ኸኣ፡ ‘እኽለይ ዝእክበሉ ቦታ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧’ ኢሉ ሓሰበ። 18 ‘ከምዚ ኽገብር እየ፦+ ማዕከናተይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሐ ኽሃንጾ እየ፣ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክቦ እየ፣ 19 ንርእሰይ* እውን፡ “ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ኣሎኪ፣* ኣዕርፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሓጐሲ” ኽብላ እየ’ ድማ በለ። 20 ኣምላኽ ግና፡ ‘ኣታ ዓሻ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ንህይወትካ* ኻባኻ ኺወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ። እቲ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧’ በሎ።+ 21 እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኰነ፡ ከምኡ እዩ።”+ 22 ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ስለዚ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ብዛዕባ ህይወትኩም* ብእትበልዕዎ ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ ደጊም ኣይትጨነቑ።+ 23 ህይወት* ካብ ብልዒ፡ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳን ይበልጽ። 24 ንኳዃት እሞ ኣስተብህሉሎም፦ ኣምላኽ ይምግቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ፡ ኣይዓጽዱ፣ ቆፎ ወይስ ማዕከን እውን የብሎምን።+ ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩምዶ ኣዚኹም ኣይትበልጹን፧+ 25 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ እመት* ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ 26 እዛ ንእሽቶ ነገር እኳ ኽትገብሩ ኻብ ዘይትኽእሉስ፡ ስለምንታይ ደኣ ብዛዕባ ኻልእ እትጭነቑ፧+ 27 ዕምባባታት* ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፦ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ፣ ኣነ ግና፡ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 28 ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብሊጹ ዘይከድነኩም! 29 እምበኣር፡ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ደጊም ኣይትድለዩ፡ ደጊም እውን ኣይትጨነቑ፣+ 30 ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ኣጸቢቖም ይደልይዎ እዮም፣ እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ግና ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።+ 31 መንግስቱ ደኣ ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ድማ ይውሰኸልኩም።+ 32 “ኣታ ሒደት መጓሰ፡+ መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+ 33 ንብረትኩም ሽጡ፡ ምጽዋት እውን ሃቡ።+ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ብልዒ* ኣብ ዘይበልዖ፡ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ግበሩ።+ 34 መዝገብኩም ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ። 35 “ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡+ መብራህትታትኩም ድማ ውሉዕ ይኹን፣+ 36 ንስኻትኩም እውን፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ+ ኺምለስ ከም ዚጽበዩ እሞ፡+ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ኸም ዚኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ። 37 እቶም ጐይታኦም ኣብ ዚመጸሉ እዋን ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት ሕጉሳት እዮም! ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኬቐምጦም፡ ቀሪቡ እውን ኬገልግሎም እዩ። 38 ኣብ ካልአይቲ* ዀነ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ኽፋል ሓለዋ* እኳ እንተ መጸ እሞ፡ ተዳልዮም እንተ ረኺብዎም፡ ሕጉሳት እዮም! 39 ግናኸ እዚ ፍለጡ፦ ብዓል ቤት፡ ሰራቒ ኣበየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጥ ነይሩ፡ ሰራቒ ናብ ቤቱ ኺኣቱ እውን ኣይምፈቐደን።+ 40 ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ።”+ 41 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እዛ ምሳሌ እዚኣስ ንዓና ዲኻ እትምስላ ዘለኻ፡ ወይስ ንዅሉ፧” በሎ። 42 ጐይታ ድማ ከምዚ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብግዜኡ ኺህቦም ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ* ዚሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን* መጋቢ* መን ኰን እዩ፧+ 43 እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምኡ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ሕጉስ እዩ! 44 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኺሸሞ እዩ። 45 እቲ ባርያ ግና ብልቡ፡ ‘ጐይታይ ይድንጒ እዩ’ እንተ ኢሉ፡ ነቶም ገላዉን ኣግራድን ኪወቕዖምን ኪበልዕን ኪሰትን ኪሰክርን ከኣ እንተ ጀሚሩ፡+ 46 ጐይታ እቲ ባርያ፡ ንሱ ብዘይጽበያ መዓልትን ብዘይፈልጣ ሰዓትን ኪመጽእ እዩ፣ ብዜስካሕክሕ መገዲ ኪቐጽዖ፡ ግዲኡ ድማ ምስ ዘይእሙናት ኪገብሮ እዩ። 47 እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ ወይ ከምቲ ዝበሎ* ዘይገበረ ባርያ፡ ብዙሕ ኪውቃዕ እዩ።+ 48 እቲ ኸይፈለጠ መውቃዕቲ ዚግብኦ ነገር ዝገበረ ግና፡ ሒደት እዩ ዚውቃዕ። ብዙሕ ንእተዋህቦ ዅሉ፡ ብዙሕ ይድለዮ፣ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ፡ ኣብዚሖም ይደልይዎ።+ 49 “ናብ ምድሪ ሓዊ ኸናኽስ እየ ዝመጻእኩ፣ ድሮ እንተ ነዲዱ ደኣ እንታይ ዝደልዮ ኣሎኒ፧ 50 ዝጥመቓ ጥምቀት ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይጸበኒ!+ 51 ኣብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩዶ ይመስለኩም፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ሰላምሲ ኣይኰነን፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 52 ካብ ሕጂ ንደሓር ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ኣለዉ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለስተ ኺፈላለዩ እዮም። 53 ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲ እውን ካብ ኣቦኡ፡ ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓል እውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ ሰበይቲ ወዳ፡ ሰበይቲ ወዲ እውን ካብ ሓማታ ኺፈላለዩ እዮም።”+ 54 ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ብምዕራብ ደበና ኺደባኖ ምስ ረኣኹም፡ ብኡብኡ፡ ‘ብርቱዕ ዝናም ይመጽእ ኣሎ’ ትብሉ፣ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። 55 ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ረኣኹም እውን፡ ‘ሃሩር ኪኸውን እዩ’ ትብሉ፣ ከምኡ ድማ ይኸውን። 56 ኣቱም ግቡዛት፡ ትርኢት ምድርን ሰማይን ብኸመይ ከም እትምርምሩ ትፈልጡ፡ ነዛ ግዜ እዚኣ ብኸመይ ከም እትምርምርዋ ደኣ ስለምንታይ ዘይትፈልጡ፧+ 57 ስለምንታይከ ባዕላትኩም ቅኑዕ ዘይትፈርዱ፧ 58 ንኣብነት፡ ምስ መባእስትኻ ናብ ሓለቓ ኽትከይድ ከለኻ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲ ኸኣ ንጊልያኡ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ እቲ ጊልያ እውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸለኻ፡ ምስኡ ኸተደቅሶ ጽዓር።+ 59 እንተ ዘይኰነስ፡ እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም* ክሳዕ እትኸፍል፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፡ እብለካ ኣለኹ።” 1 ብዙሓት ብዛዕባ እቲ ኣባና ምሉእ ብምሉእ እተኣምነ ነገራት ዛንታ ኺጽሕፉ ኻብ ጀመሩ፡+ 2 እቶም ካብ መጀመርታ ብኣዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ መልእኽቲ ዝነበሩን+ ከም ዘመሓላለፉልና፡+ 3 ኣነ እውን፡ ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ንዅሉ ኻብ ፈለማ ብልክዕ ስለ ዝመርመርክዎ፡ በብተራ ኽጽሕፈልካ ሓሲበ።+ 4 እቲ ብኣፍ እተመሃርካዮ ርግጽ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ ኸምኡ ገይረ።+ 5 ብዘመን ሄሮድስ*+ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ፡ ዘካርያስ ዚብሃል ካህን ነበረ።+ ሰበይቱ ድማ ካብ ኣዋልድ ኣሮን ኰይና፡ ኤልሳቤጥ ዝስማ ነበረት። 6 ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ፣ ብዅሉ ትእዛዛትን ሕግታትን የሆዋ* እውን ይመላለሱ ነበሩ። 7 ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ግና፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፣ ክልቲኦም ድማ ብዕድመ ዝደፍኡ ነበሩ። 8 ተራ ኽፍሉ በጺሑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካህን ኰይኑ ኼገልግል ከሎ፡+ 9 ከም ልምዲ ኽህነት፡ ናብ መቕደስ የሆዋ* ኣትዩ ዕጣን ኪዓጥን+ ግደ በጽሖ።+ 10 በታ ዕጣን ዚዕጠነላ ሰዓት፡ ኵሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ። 11 መልኣኽ የሆዋ* ድማ ብወገን የማን እቲ መሰውኢ ዕጣን ደው ኢሉ ተራእዮ። 12 ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ተረበሸ፡ ብፍርሂ እውን ተዋሕጠ። 13 እቲ መልኣኽ ግና ከምዚ በሎ፦ “ዘካርያስ፡ ምህለላኻ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ፣ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ከኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ እውን ዮሃንስ ክትብሎ ኢኻ።+ 14 ሓጐስን ዓብዪ ደስታን ኪዀነልካ እዩ፣ ብዙሓት ከኣ ብልደቱ ኺሕጐሱ እዮም፣+ 15 ንሱስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ዓብዪ ኪኸውን እዩ።+ ወይኒ ዀነ ኣልኮላዊ መስተ ግና ኪሰቲ የብሉን፣+ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ እኳ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ኪምላእ እዩ፣+ 16 ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤል እውን፡ ናብ የሆዋ* ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ።+ 17 ንየሆዋ* ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ኼዳልወሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉዳት፡+ ንዘይእዙዛት ከኣ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስ ኢሉ፡ ብመንፈስን ብሓይልን ኤልያስ፡+ ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ።”+ 18 ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፡ “ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ እውን ብዕድመ ደፊኣ እያ እሞ፡ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ኢለ ርግጸኛ ክኸውን እኽእል፧” በሎ። 19 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም+ ገብርኤል እየ፣+ ክዛረበካን ብዛዕባ እዚ ኸበስረካን ድማ እየ ናባኻ ተላኢኸ። 20 እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ዚፍጸም ቃለይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳዕ እታ እዚ ዚዀነላ መዓልቲ፡ ዓባስ ክትከውን፡ ምዝራብ እውን ክትስእን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 21 እቶም ህዝቢ ድማ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፣ ኣብ መቕደስ ብምድንጓዩ እውን ገረሞም። 22 ምስ ወጸ ኸኣ፡ ኪዛረቦም ኣይከኣለን፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ተገንዘቡ። ንሱ ድማ ብምልክት ገለጸሎም፡ ዓባስ ኰይኑ እውን ይነብር ነበረ። 23 መዓልትታት ቅዱስ ኣገልግሎቱ* ምስ ተፈጸማ ድማ፡ ናብ ቤቱ ኸደ። 24 ድሕሪ ገለ መዓልትታት ከኣ፡ ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት፣ ከምዚ እናበለት ከኣ ንሓሙሽተ ወርሒ ተሓብአት፦ 25 “የሆዋ* በዘን መዓልትታት እዚአን ከምዚ ገይሩለይ። ካብ መንጎ ሰባት ሕስራነይ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ቈላሕታኡ ገይሩለይ።”+ 26 ኣብ ሻድሻይ ወርሓ፡ ገብርኤል መልኣኽ+ ካብ ኣምላኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ከተማ ገሊላ ተላእከ፣ 27 ናብታ ኻብ ቤት ዳዊት፡ ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል+ ድማ እዩ እተላእከ፣ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም ነበረ።+ 28 እቲ መልኣኽ ኣትዩ፡ “ሰላም፡ ኣቲ ብዙሕ ሞገስ ዝረኸበት፡ የሆዋ* ምሳኺ እዩ” በላ። 29 ንሳ ግና በቲ ዘረባኡ ብዙሕ ተረበሸት፡ እንታይ ዓይነት ሰላምታ ምዃኑ ድማ ክትርድኦ ፈተነት። 30 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፣ 31 እንሆ ድማ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣+ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትብልዮ ኢኺ።+ 32 ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡+ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣+ የሆዋ* ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣+ 33 ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፣ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን” በላ።+ 34 ማርያም ግና ነቲ መልኣኽ፡ “ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገብር ክነሰይሲ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧” በለቶ።+ 35 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡+ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ዚውለድ፡ ቅዱስ፡+ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።+ 36 እንሆ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ዘመድኪ ኣብ እርጋና ወዲ ጠኒሳ ኣላ፣ ነታ መኻን እትብሃል ከኣ፡ እዚ ሻድሻይ ወርሓ እዩ፣ 37 ንኣምላኽሲ ዝበሎ ዘበለ ምፍጻሙ ኣይሰኣኖን እዩ”* ኢሉ መለሰላ።+ 38 ማርያም ከኣ፡ “እነኹ ባርያ የሆዋ፡* ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ኸደ። 39 በተን መዓልትታት እቲአን ከኣ፡ ማርያም ተንሲኣ፡ ተቐላጢፋ ናብ ከበሳ፡ ናብ ሓንቲ ኸተማ ይሁዳ ኸደት፣ 40 ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። 41 ኤልሳቤጥ ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት ድማ፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ፣ ኤልሳቤጥ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ፡ 42 ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺ እውን ብሩኽ እዩ! 43 ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጽስ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ዀይኑለይ፧ 44 እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ኣብ ኣእዛነይ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ከርሰይ ዘሎ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሲሩ። 45 እቲ ኻብ የሆዋ* እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ሕጕስቲ እያ” በለት። 46 ማርያም ድማ ከምዚ በለት፦ “ነፍሰይ* ንየሆዋ* ተዕብዮ፡+ 47 መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይበሎ፣+ 48 ከመይሲ፡ ባርያኡ ለጠቕ ዝበለት ምዃና ርእዩ እዩ።+ እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶታት ሕጕስቲ ኺብሉኒ እዮም፣+ 49 ምኽንያቱ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ግብሪ ገይሩለይ እዩ፡ ስሙ እውን ቅዱስ እዩ፣+ 50 ምሕረቱ ኸኣ ኣብቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+ 51 ብቕልጽሙ ሓያል ግብርታት ገይሩ፡ ነቶም ብሓሳብ ልቦም ዕቡያት ዝዀኑ ድማ ፋሕ ኣቢልዎም።+ 52 ንሰበ ስልጣን ካብ ዝፋናት ኣውሪድዎም፡+ ንትሑታት ከኣ ልዕል ኣቢልዎም፣+ 53 ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽጊብዎም፡+ ንሃብታማት እውን ጥራይ ኢዶም ሰዲድዎም። 54 ምሕረቱ ንዘለኣለም ዘኪሩስ ንእስራኤል ጊልያኡ ረዲእዎ፣+ 55 ከምቲ ንኣቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም+ ድማ ገይሩ።” 56 ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ጸኒሓ፡ ናብ ቤታ ተመልሰት። 57 ኤልሳቤጥ እትወልደሉ እዋን በጽሐ፣ ወዲ እውን ወለደት። 58 ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ የሆዋ* ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሓጐሱ።+ 59 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ነቲ ሕጻን ኪገዝርዎ መጹ፣+ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ኢሎም ኪሰምይዎ ደለዩ። 60 ኣዲኡ ግና፡ “ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ ደኣ እዩ ዚስመ” ኢላ መለሰት። 61 ንሳቶም ከኣ፡ “ካብ ኣዝማድኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን” በልዋ። 62 ንኣቦኡ ድማ፡ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊ፡ ብምልክት ሓተትዎ። 63 ንሱ ሰሌዳ ለሚኑ፡ “ስሙ ዮሃንስ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።+ ኵላቶም ከኣ ተገረሙ። 64 ብቕጽበት ኣፉ ተኸፍተ፡ ልሳኑ እውን ተፈትሐ፡ ንኣምላኽ እናወደሶ ኸኣ ተዛረበ።+ 65 ኵሎም እቶም ጐረባብቶም ከኣ ፈርሁ፣ እዚ ዅሉ ድማ ኣብ ብዘሎ ኸበሳ ይሁዳ ተወርየ። 66 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፡ “እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧” ኢሎም ኣብ ልቦም ሓዝዎ። ኢድ የሆዋስ* ምስኡ ነበረት። 67 ንኣቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ፡ ከምዚ ኢሉ ተነበየ፦ 68 “የሆዋ* ኣምላኽ እስራኤል፡ ቈላሕታኡ ናብ ህዝቡ ስለ ዝገበረን ስለ ዘድሓኖምን+ ይወደስ።+ 69 ኣብ ቤት ዳዊት እቲ ጊልያኡ፡+ ቀርኒ ድሕነት* ኣተንሲኡልና ኣሎ፣+ 70 ከምቲ ብኣፍ እቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ቕዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡+ 71 ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኵሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና እዩ፣+ 72 ምእንቲ ኣቦታትና ኢሉ ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ድማ ኪዝክሮ፡+ 73 ማለት ነቲ ንኣቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ ኺዝክሮ እዩ፣+ 74 ካብ ኣእዳው ጸላእትና ምስ ተናገፍና፡ ከይፈራህና ኸነገልግሎ* ኺፈቕደልና እዩ፣ 75 ኵለን መዓልትታትና ኣብ ቅድሚኡ ብተኣማንነትን ብጽድቅን ክንነብር ኢና። 76 ንስኻ ግና ኣታ ሕጻን፡ መገድታቱ ኸተዳሉ ቐቅድሚ የሆዋ* ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ እቲ ልዑል ክትብሃል ኢኻ፣+ 77 ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም፡ ፍልጠት ድሕነት ክትህቦም ኢኻ፣+ 78 እዚ ድማ ሳላ ርሕራሐ ኣምላኽና እዩ ዚርከብ። በዚ ኸኣ፡ ካብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ፣ 79 እዚ እውን፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ምእንቲ ኼብርህ፡+ ንኣእጋርና ድማ ናብ መገዲ ሰላም ምእንቲ ኬቕንዕ እዩ።” 80 እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ከኣ በርትዐ፣ ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲ እውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ። 8 ደድሕርዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን ይዘውር ነበረ።+ እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ፣ 2 ካብ እኩያት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሓወያ ገለ ኣንስቲ፡ እታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ መግደላዊት እትብሃል ማርያም፡ 3 ዮሃና+ ሰበይቲ እቲ ኩዛ ዚብሃል ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና፡ ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲ እውን ነበራ፣ ንሳተን ብገንዘበን የገልግላኦም ነበራ።+ 4 ብዙሓት ህዝቢ ምስቶም ካብ ከከተማ ናብኡ ዝኸዱ ምስ ተኣከቡ፡ ብምሳሌ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦+ 5 “ሓደ ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ኸኣ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ እውን፣ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ በልዓኦ።+ 6 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፣ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ፡ ነቐጸ።+ 7 ገሊኡ እውን ኣብ ማእከል ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ምስኡ ዝዓበየ ኣእሻዅ ድማ ሓነቖ።+ 8 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ እሞ፡ ምስ በቘለ፡ 100 ዕጽፊ ፈረየ።”+ እዚ ምስ በለ፡ “ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” ኢሉ ጨደረ።+ 9 ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ እዛ ምሳሌ እዚኣ እንታይ ማለት ምዃና ሓተትዎ።+ 10 ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንዓኻትኩም፡ እቲ ቕዱስ ምስጢራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትርድኡ ተዋሂቡኩም ኣሎ፣ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑ እውን ምእንቲ ኸየስተውዕሉስ፡+ ምሳሌታት እዩ ዚዀኖም።+ 11 እታ ምሳሌ ኸምዚ ማለት እያ፦ እቲ ዘርኢ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ።+ 12 እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ ዘለዉ፡ ዝሰምዑ እሞ፡ ድሕሪኡ ድያብሎስ መጺኡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ዚወስዶ እዮም።+ 13 እቶም ኣብ ከውሒ ዘለዉ፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ ብሓጐስ ዚቕበልዎ፡ ግናኸ ሱር ዘይብሎም እዮም። ንግዜኡ እዮም ዚኣምኑ፣ ብግዜ ፈተና ግና ይወድቁ።+ 14 እቲ ኣብ ኣእሻዅ ዝወደቐ ኸኣ፡ እዚኣቶም ዝሰምዑ፡ ግናኸ ብናይ እዚ ህይወት እዚ ጭንቀትን ሃብትን+ ተድላን+ ስለ ዚውሰዱ፡ ምሉእ ብምሉእ ዚሕነቑ፡ ዋላ ሓንቲ እውን ዘይፈርዩ እዮም።+ 15 እቶም ኣብ ጽቡቕ መሬት ዘለዉ ድማ፡ እዚኣቶም ነቲ ቓል ብቕኑዕን ብጽቡቕን+ ልቢ ምስ ሰምዕዎ፡ ዚዓቝርዎ፡ ብተጻዋርነት ከኣ ፍረ ዚፈርዩ እዮም።+ 16 “መብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኢሉ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል የቐምጦ እምበር፡ ብኣቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን።+ 17 ከመይሲ፡ ዘይገሃድ ሕቡእ፡ ከቶ ዘይፍለጥን ዘይግለጽን ስዉር የልቦን።+ 18 እምበኣር፡ ንዘለዎ ይውሰኾ፡ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ የግድፍዎ እዮም እሞ፡+ ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ።”+ 19 ኣዲኡን ኣሕዋቱን+ ድማ ናብኡ መጹ፣ ብምኽንያት እቲ ህዝቢ ግና ኪቐርብዎ ኣይከኣሉን።+ 20 “ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። 21 ንሱ ኸኣ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገብርዎን እዮም” ኢሉ መለሰሎም።+ 22 ሓደ መዓልቲ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ጃልባ ደየቡ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ናብ ስግር ቀላይ ንሳገር” በሎም። ከዱ እውን።+ 23 ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንሱ ደቀሰ። ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ናብቲ ቐላይ ወረደ፣ ነታ ጃልባ ማይ መልኣ፡ ኣብ ሓደጋ እውን ወደቑ።+ 24 ናብኡ ቐሪቦም ከኣ፡ “መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና!” እናበሉ ኣተንስእዎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ንንፋስን ንማዕበል ማይን ገንሖም እሞ፡ ዝግ በሉ፡ ህድኣት እውን ኰነ።+ 25 ሽዑ፡ “እምነትኩም ኣበይ ኣላ፧” በሎም። ንሳቶም ግና ፈርሁ፣ ንሓድሕዶም እውን፡ “እዝስ መን ኰን እዩ፧ ንንፋሳትን ንማይን እኳ ይእዝዞም እሞ፡ ይእዘዝዎ” እናተባሃሃሉ ተገረሙ።+ 26 ኣብ መንጽር ገሊላ ናብ ዘሎ ዞባ ጌራሴኖስ ተሳገሩ።+ 27 የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወረደ፡ ካብ ከተማ፡ ኣጋንንቲ ዘለውዎ ሰብኣይ ተጓነፎ። ንሱ ንነዊሕ ግዜ ኽዳን ኣይተኸድነን ነበረ፣ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ኣይቅመጥን ነበረ።+ 28 ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍአ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ እውን፡ “ኦ የሱስ ወዲ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይተሳቕየኒ እልምነካ ኣለኹ” በሎ።+ 29 (የሱስሲ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ይእዝዞ ነበረ። ምኽንያቱ፡ ብዙሕ ግዜ ይሕዞ ነበረ፡*+ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ እኳ እንተ ነበረ፡ ንመእሰሪኡ ይብጥሶ፡ በቲ ጋኔን ድማ ናብ ጽምዊ ቦታታት ይውሰድ ነበረ።) 30 የሱስ ድማ፡ “መን እዩ ስምካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣትዮምዎ ነበሩ እሞ፡ “ለጌዎን”* በለ። 31 ናብ መዓሙቝ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።+ 32 መጓሰ ብዙሓት ሓሰማታት+ ከኣ ኣብቲ ኸረን ይበልዕ ነበረ፣ ናብተን ሓሰማታት ንምእታው ኪፈቕደሎም ድማ ለመንዎ። ንሱ እውን ፈቐደሎም።+ 33 እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፣ እቲ መጓሰ ኻብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ቀላይ ኣተወ፡ ጠሓለ እውን። 34 እቶም ጓሶት ግና፡ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ድማ ኣውረዩ። 35 እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። ናብ የሱስ መጹ፡ ነቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ ከኣ ተኸዲኑን ናብ ልቡ ተመሊሱን ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ፡ ፈርሁ። 36 እቶም ዝረኣዩ ድማ፡ እቲ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየ ኣውረዩሎም። 37 እቶም ኣብ ጐደቦታት ጌራሴኖስ ዚነብሩ ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ፡ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ፡ ንየሱስ ካባታቶም ኪርሕቕ ለመንዎ። ንሱ ድማ ኣብ ጃልባ ደዪቡ ኣልገሰ። 38 እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ ግና፡ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ፣ ንሱ ግና ነቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ኣሰናበቶ፦+ 39 “ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረልካ ድማ ኣዘንቱ።” ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ እንታይ ከም ዝገበረሉ ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ኣውረየ። 40 የሱስ ምስ ተመልሰ፡ እቶም ህዝቢ ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ ብጽቡቕ ተቐበልዎ።+ 41 እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፣ ንሱ መራሕ ምኵራብ እዩ ነይሩ። ኣብ እግሪ የሱስ ተደፊኡ ድማ፡ ናብ ቤቱ ኺኣቱ ለመኖ።+ 42 ከመይሲ፡ ጓል 12 ዓመት ኣቢላ እትኸውን ሓንቲ ጓል ጥራይ ነበረቶ፣ ንሳ ድማ ክትመውት ቀሪባ ነበረት። የሱስ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ይደፋፍእዎ ነበሩ። 43 ን12 ዓመት ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ ነበረት፣+ ዜሕውያ እውን ክትረክብ ኣይከኣለትን።+ 44 ብድሕሪኡ ቐሪባ ኸኣ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት እሞ፡+ ብኡብኡ እቲ ዚፈስስ ደማ ኣቋረጸ። 45 የሱስ ድማ፡ “መን እዩ ዝተንከየኒ፧” በለ። ኵላቶም ኣሉ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ፡ “መምህር፡ ህዝቢ ይጸቓቕጠካን ይደፋፍኣካን ኣሎ” በሎ።+ 46 የሱስ ግና፡ “ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ተፈሊጡኒ እዩ እሞ፡+ ዝተንከየንስ ኣሎ” በለ። 47 እታ ሰበይቲ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍአት፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ስለምንታይ ከም ዝተንከየቶን ከመይ ኢላ ብኡብኡ ኸም ዝሓወየትን ተዛረበት። 48 ንሱ ግና፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣሕውያትኪ። ብሰላም ኪዲ” በላ።+ 49 ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ እንዳ እቲ መራሕ ምኵራብ መጺኡ፡ “ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ” በሎ።+ 50 የሱስ ሰሚዑ፡ “ኣይትፍራህ፡ እመን ጥራይ፡ ክትድሕን እያ” ኢሉ መለሰሉ።+ 51 ናብታ ቤት ምስ በጽሐ፡ ብዘይካ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን። 52 ኵላቶም ድማ ይበኽዩላን ደረቶም ይወቕዑላን ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን+ እሞ፡ ደጊም ኣይትብከዩ”+ በሎም። 53 ንሳቶም ከኣ ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54 ንሱ ግና ብኢዳ ሒዙ፡ ዓው ኢሉ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ።+ 55 መንፈሳ*+ ተመልሰ እሞ፡ ብኡብኡ ተንስአት፣+ ንሱ ድማ ዚብላዕ ኪውሃባ ኣዘዘ። 56 ወለዳ ኸኣ ብታሕጓስ ዚገብርዎ ጠፍኦም፣ ንሱ ግና እቲ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።+ 11 ኣብ ሓደ ቦታ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ምጽላይ ምሃረና” በሎ። 2 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምዚ በሉ፦ ‘ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።+ መንግስትኻ ትምጻእ።+ 3 ናይ ዕለት እንጌራና በብመዓልቱ ሃበና።+ 4 ንሕና ንዝበደሉና* ዅሎም ንሓድገሎም ኢና እሞ፡+ ሓጢኣትና ሕደገልና፣+ ኣብ ፈተና ድማ ኣይተእትወና።’”+ 5 ከምዚ እውን በሎም፦ “ሓደ ኻባኻትኩም ዓርኪ ኣለዎ ንበል፣ ፍርቂ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ ድማ፡ ‘ዓርከይ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፣ 6 ሓደ ኻብ ፈተውተይ ገይሹ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ የብለይን’ ይብሎ። 7 እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ፡ ‘ደጊም ኣይተሸግረኒ። ማዕጾ ድሮ ተሸጒሩ እዩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ። ተንሲአ ኽህበካ ኣይክእልን እየ’ ኢሉ ይምልሰሉ። 8 እብለኩም ኣለኹ፡ ዓርኩ ስለ ዝዀነ ተንሲኡ እኳ እንተ ዘይሃቦ፡ ላሕ ስለ ዘበሎ+ ግና ብርግጽ ተንሲኡ ዝደለዮ ይህቦ። 9 ከምኡ ድማ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡+ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ።+ 10 ዚልምን ዘበለስ ይቕበል፡+ ዚደሊ ዘበለ ይረክብ፡ ዚዅሕኵሕ ዘበለ እውን ይኽፈተሉ እዩ። 11 ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ ወዱ ዓሳ እንተ ለሚንዎ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፧+ 12 ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለሚንዎ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ 13 እምበኣር፡ ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”+ 14 ዓባስ ጋኔን ድማ ኣውጽአ።+ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ ኸኣ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፣ እቶም ህዝቢ ድማ ተገረሙ።+ 15 ገሊኣቶም ግና፡ “ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል* እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም” በሉ።+ 16 ካልኦት ከኣ፡ ኪፍትንዎ ኢሎም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ደለዩ።+ 17 ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፡+ ከምዚ በሎም፦ “ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ መንግስቲ ትጠፍእ፣ ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ቤት እውን ትወድቕ። 18 ከምኡ ድማ፡ ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ከም ዘውጽኦም እትብሉስ፡ ሰይጣን እንተ ተኸፋፊሉ ደኣ፡ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 19 ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም እንተ ዀይነ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን እዮም ዜውጽእዎም፧ ስለዚ ኸኣ እዮም ንሳቶም ፈራዶኹም ዚዀኑ። 20 ኣነ ንኣጋንንቲ ብኣጻብዕ ኣምላኽ+ ዘውጽኦም እንተ ዀይነ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ደበኽ ኢላትኩም ኣላ።+ 21 ሓደ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ሓያል፡ ቤቱ ምስ ዚሕሉ፡ ንብረቱ ብሰላም ይነብር። 22 ካብኡ ዚሕይል መጺኡ ምስ ዚስዕሮ ግና፡ ንዅሉ እቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፍፎ፡ ነቲ ዝዘመቶ እውን ይማቐሎ። 23 እቲ ምሳይ ዘይኰነ ይጻረረኒ፣ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ።+ 24 “ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ መዕረፊ ደልዩ ብኣጻምእ ይሓልፍ፣ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ‘ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል።+ 25 ናብኣ ምስ በጽሐ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ይረኽባ። 26 ድሕሪኡ፡ ከይዱ ኻብኡ ዝኸፍኡ ሸውዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ይማላእ እሞ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኸኣ፡ ካብ መጀመርታኡ፡ መወዳእታኡ ይገድዶ።” 27 እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ዓው ኢላ፡ “ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባትን ሕጉሳት እየን!” በለቶ።+ 28 ንሱ ግና፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” በላ።+ 29 እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ከምዚ ኺብል ጀመረ፦ “እዚ ወለዶ እዚ እኩይ ወለዶ እዩ፣ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይካ ትእምርቲ ዮናስ ግና፡ ትእምርቲ ኣይኪውሃቦን እዩ።+ 30 ከምቲ ዮናስ+ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ወዲ ሰብ ድማ ነዚ ወለዶ እዚ ኸምኡ ኪዀኖ እዩ። 31 ንግስቲ ደቡብ፡+ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ኢላ ኻብ ወሰናት ምድሪ መጺኣ ነይራ እያ እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ።+ 32 ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም።+ እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ። 33 መብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኢሉ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል+ የቐምጦ እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይስ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን። 34 መብራህቲ ሰብነት፡ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ትኵርቲ* ምስ እትኸውን፡ ብዘሎ ሰብነትካ እውን ብሩህ ይኸውን፣ ቀናእ* ምስ እትኸውን ግና፡ ሰብነትካ እውን ጸልማት ይኸውን።+ 35 እምበኣር፡ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፡ ጸልማት ከይከውንሲ፡ ተጠንቀቕ። 36 ስለዚ፡ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ መብራህቲ ብጸዳሉ ዜብርሃልካ፡ ኵሉ ብሩህ ይኸውን።” 37 እዚ ምስ ተዛረበ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 38 እቲ ፈሪሳዊ ድማ፡ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ኸም ዘይተሓጽበ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ።+ 39 ጐይታ ግና ከምዚ በሎ፦ “ሕጂ ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫን ጻሕልን ትሓጽቡ፣ ውሽጥኹም ግና ስስዐን እከይን ዝመላእኩም ኢኹም።+ 40 ኣቱም ዓያሹ፡ እቲ ንዝባኑ ዝገበረ፡ ንውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧ 41 ግናኸ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኸም ምጽዋት ሃቡ፣ እንሆ ድማ፡ ኵሉ ጽሩይ ይዀነልኩም። 42 ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ናዕናዕን ካብ ጨና ኣዳምን ካብ ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር ትህቡ፣+ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል ትብሉ ኣለኹም እሞ፡ ወይለኹም! እዚ ኽትገብሩ ይግባእ፡ እቲ እውን ሸለል ክትብሉ ኣይግባእን።+ 43 ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ምኵራባት ቀዳሞት* መናብር፡ ኣብ ዕዳጋ ድማ ሰላምታ ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም!+ 44 ከምቲ ሰባት ከይፈለጡ ረጊጾምዎ ዚሓልፉ ብንጹር ዘይርአ መቓብራት* ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም!”+ 45 ሓደ ኻብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ “መምህር፡ ከምዚ ኽትብል ከለኻስ፡ ትጸርፈና ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። 46 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ እውን፡ ንሰባት ከቢድ ጾር ተሰክሙ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብኣጻብዕኩም ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም!+ 47 “መቓብር ነብያት ትሰርሑ ኢኹም፣ ግናኸ ኣቦታትኩም ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።+ 48 ንሳቶም ንነብያት ቀቲሎምዎም፡+ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ ኣለኹም እሞ፡ ንግብርታት ኣቦታትኩም መሰኻኽር ኢኹም፡ ትሰምርዎም እውን ኣለኹም። 49 ስለዚ እያ ጥበብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለት፦ ‘ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም ክልእኽ እየ፣ ንገሊኣቶም ድማ ኪቐትልዎምን ኪሰጕዎምን እዮም፣ 50 እዚ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ምእንቲ ኺድለ እዩ፣+ 51 ካብ ደም ኣቤል+ ኣትሒዙ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን እታ ቤትን* እተቐትለ ዘካርያስ ዝፈሰሰ ደም ኪድለ እዩ።’+ እወ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኺድለ እዩ። 52 “ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መፍትሕ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን። ነቶም ኪኣትዉ ዚደልዩ እውን ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም!”+ 53 ካብኡ ምስ ከደ ድማ፡ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብርቱዕ ጸቕጢ ኺገብሩሉን ሕቶታት ኬብዝሑሉን ጀመሩ፣ 54 ብገለ ዘረባኡ ኺሕዝዎ ድማ ይጸናተውዎ ነበሩ።+ 2 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ፡ ኵሉ ዓለም ኪምዝገብ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2 (እዚ ቐዳማይ ምዝገባ እዚ፡ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ እዩ ዀይኑ።) 3 ኵሉ ኺምዝገብ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ኸደ። 4 ዮሴፍ+ ድማ ካብ ቤትን ካብ ዓሌትን ዳዊት ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ፡ ካብ ከተማ ናዝሬት፡ ናብ ይሁዳ፡ ናብታ ቤት-ልሄም+ እትብሃል ከተማ ዳዊት ደየበ። 5 ምስታ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት+ ሕጽይቱ+ ማርያም፡ ኪምዝገብ ከደ። 6 ኣብኡ ኸለዉ ድማ፡ ግዜ ሕርሳ በጽሐ። 7 በዅሪ ወዳ ኸኣ ወለደት፡+ ብዓለባ እውን ጠቕለለቶ፣ ኣብ መሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይረኸቡ ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።+ 8 ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ ብለይቲ መጓሰኦም እናሓለዉ፡ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት ነበሩ። 9 ብሃንደበት ከኣ፡ መልኣኽ የሆዋ* ኣብ ቅድሚኦም ደው በለ፣ ክብሪ የሆዋ* እውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፡ ንሳቶም ከኣ ኣመና ፈርሁ። 10 እቲ መልኣኽ ግና፡ “ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 11 ሎምስ መድሓኒ፡+ ንሱ ድማ ክርስቶስ ጐይታ፡+ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ተወሊዱልኩም ኣሎ። 12 እዚ ድማ ምልክት ይኹንኩም፦ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። 13 ብሃንደበት ከኣ፡ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኰይኖም፡+ ከምዚ እናበሉ ንኣምላኽ ወደስዎ፦ 14 “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ጽቡቕ ፍቓዱ* ዝረኸቡ ሰባት።” 15 እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ከዱ ድማ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ “ናብ ቤት-ልሄም ኬድና፡ ነዚ የሆዋ* ዘፍለጠና ኽዉን ነገር ንርአ” ተባሃሃሉ። 16 ቀልጢፎም እውን ከዱ፣ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕጻንን ድማ ረኸብዎም። 17 ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግሮም መልእኽቲ ኣውረዩ። 18 ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ፡ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ፣ 19 ማርያም ግና ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።+ 20 እቶም ጓሶት ድማ፡ ከምቲ እተነግሮም ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ፡ ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ፡ ንኣምላኽ እናኣሞገሱን እናወደሱን ተመልሱ። 21 ኪገዝርዎ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ መልአ፡+ ከምቲ መልኣኽ ከይተጠንሰ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ተሰምየ።+ 22 ከም ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ ኣኸላ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ኬቕርብዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፣ 23 ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ፡* “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* ንየሆዋ* እተቐደሰ ይበሃል” እተባህለ፡ ከምኡ ገበሩ፣+ 24 ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ፡* “ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ” እተባህለ ኸኣ፡ መስዋእቲ ኣቕረቡ።+ 25 እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን፡ ምጽንናዕ እስራኤል ከኣ ዚጽበ ነበረ፣+ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣብ ልዕሊኡ ነበረ። 26 ነቲ ናይ የሆዋ* ቕቡእ* ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብመለኮታዊ መገዲ ተገሊጹሉ ነበረ። 27 ብመንፈስ ተመሪሑ ኸኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ፣ እቶም ወለዲ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ከም ልምዲ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡+ 28 ንሱ ኣብ ኢዱ ሓቘፎ፡ ከምዚ ኢሉ እውን ንኣምላኽ ወደሶ፦ 29 “ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ ሕጂ ኸምቲ ዝበልካዮ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፣+ 30 ኣዒንተይሲ ነቲ ንስኻ እተድሕነሉ መገዲ ርእየን እየን፣+ 31 ንሱ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝብታት ዘዳሎኻዮ፡+ 32 ነቲ ንኣህዛብ ጋሪድዎም ዘሎ ዚቐልዕ+ ብርሃንን+ ክብሪ ህዝብኻ እስራኤልን እዩ።” 33 ኣቦን ኣደን እቲ ሕጻን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። 34 ስምኦን እውን ባረኾም፡ ንኣዲኡ ማርያም ድማ፡ “እንሆ፡ እዚ ሕጻን እዚ፡ ኣብ እስራኤል+ ንብዙሓት መውደቒኦምን+ መተንስኢኦምን ኪኸውን፡ ዚነቕፍዎ ምልክት እውን ኪኸውን እዩ፣+ 35 እዚ ዚኸውን ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኪቕላዕ እዩ። ናባኺ* ኸኣ ነዊሕ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ”+ በላ። 36 ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ንሳ ብዕድመ ዝደፍአት ነበረት። ድሕሪ ምምርዓዋ* ኸኣ ምስ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገይራ ነበረት። 37 ንሳ 84 ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ለይትን መዓልትን እናኣገልገለትን* እናጾመትን እናተማህለለትን ካብ ቤተ መቕደስ ኣይትጠፍእን ነበረት። 38 በታ ሰዓት እቲኣ ኸኣ፡ ቀሪባ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፣ ንዅሎም እቶም ድሕነት የሩሳሌም ዚጽበዩ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ተዛረበቶም።+ 39 ከም ሕጊ የሆዋ* ዅሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡+ ናብ ገሊላ፡ ናብ ከተማኦም ናዝሬት ተመልሱ።+ 40 እቲ ሕጻን ድማ ብጥበብ እናተመልአ ዓበየን በርትዐን፡ ሞገስ ኣምላኽ እውን ኣብኡ ነበረ።+ 41 ወለዱ ኸኣ ዓመት ዓመት ንበዓል ፋስጋ ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።+ 42 ንሱ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ከም ልምዲ እቲ በዓል ናብ የሩሳሌም ደየቡ።+ 43 እተን መዓልትታት በዓል ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ዝነበረ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ፡ ወለዱ ግና ኣይፈለጡን። 44 ምስቶም መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓደ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ፈለጥቶምን ከኣ ደለይዎ። 45 ምስ ሰኣንዎ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ኣናደይዎ። 46 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ። 47 ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ፡ ብምስትውዓሉን ብምላሹን የስተንክሩ ነበሩ።+ 48 ወለዱ ምስ ረኣይዎ ድማ ተገረሙ፣ ኣዲኡ ኸኣ፡ “ወደየ፡ ስለምንታይ ከምዚ ጌርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን ተሻቒልና ኽንደልየካ ጸኒሕና” በለቶ። 49 ንሱ ግና፡ “ንምንታይ እሞ ትደልዩኒ፧ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በሎም።+ 50 ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣይተረድእዎን። 51 ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም* እውን ነበረ።+ ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።+ 52 የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብኣካልን ብሞገስን ይዓቢ ነበረ። 4 የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ካብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፣ ብመንፈስ ናብ በረኻ ተመሪሑ ኸኣ፡+ 2 ብድያብሎስ እናተፈተነ 40 መዓልቲ ጸንሐ።+ በተን መዓልትታት እቲአን፡ ገለ እኳ ኣይበልዐን፣ ምስ ተወድኣ ኸኣ ጠመየ። 3 ድያብሎስ ድማ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን በል” በሎ። 4 የሱስ ግና፡ “‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።+ 5 ኣደዪቡ ድማ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለም ብቕጽበት ኣርኣዮ።+ 6 ድያብሎስ ከኣ፡ “እዚ ዅሉ ስልጣንን ክብረንን ንዓይ ስለ እተዋህበኒ፡ ኣነ ኸኣ ንዝደለኹ ስለ ዝህቦ፡ ንዓኻ ኽህበካ እየ።+ 7 ስለዚ፡ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ናትካ ኪኸውን እዩ” በሎ። 8 የሱስ ድማ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ’* ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” በሎ።+ 9 ናብ የሩሳሌም ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ጽደፍ፣+ 10 ከመይሲ፡ ከምዚ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፦ ‘ምእንቲ ኺሕልዉኻ፡ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ፡’ 11 ድማ ‘እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡ ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም’” በሎ።+ 12 የሱስ ከኣ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣይትፈትኖ’ ተባሂሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 13 ድያብሎስ ኵሉ ፈተናኡ ምስ ወድአ ድማ፡ ምሹእ ግዜ ኽሳዕ ዚረክብ ሓደጎ።+ 14 የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ።+ ዝናኡ እውን ኣብ ኵሉ እቲ ጐደቦታት ተዘርግሐ። 15 ንሱ ኸኣ ኣብ ምኵራባቶም መሃረ፣ ኵላቶም እውን የኽብርዎ ነበሩ። 16 ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፣+ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ምኵራብ ኣተወ፡+ ኬንብብ እውን ተንስአ። 17 ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ድማ ተዋህቦ፣ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ቀልዓ እሞ፡ ከምዚ ዚብል እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፦ 18 “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ የሆዋ* ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ፡ ንዕዉራት ድማ ምርኣይ ክእውጅ፡ ንግፉዓት ሓራ ኸውጽእ፡+ 19 ቅብልቲ ዓመት የሆዋ* ኽሰብኽ ልኢኹኒ።”+ 20 ነታ መጽሓፍ ጠቕሊሉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፣ ኣዒንቲ ዅሎም እቶም ኣብታ ምኵራብ ዝነበሩ ድማ፡ ናብኡ ይጥምታ ነበራ። 21 ሽዑ፡ “እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ፡ ሎሚ ተፈጺሙ” ኺብሎም ጀመረ።+ 22 ኵላቶም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ጥዑም ዘረባ ድማ ተገረሙ፡+ “እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧” ከኣ ይብሉ ነበሩ።+ 23 ንሱ ድማ፡ “‘ሓኪም ንርእስኻ ኣሕዊ’ ዚብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፡ ‘እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ከም ዝዀነ ዝሰማዕናዮ፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻ እውን ግበር’ ድማ ከም እትብሉኒ ርግጸኛ እየ” በሎም።+ 24 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ዓዱ ተቐባልነት ዚረክብ ነብዪ የልቦን።+ 25 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዘመን ኤልያስ፡ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ እተዓጽወሉ እሞ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ዓብዪ ጥሜት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን እየን።+ 26 ኤልያስ ግና ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶን ናብ ዝነበረት መበለት ጥራይ እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን።+ 27 ብግዜ ነብዪ ኤልሳእ እውን፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ድዉያት ነይሮም እዮም፣ ግናኸ፡ ንእማን እቲ ሶርያዊ ጥራይ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሀን።”*+ 28 ኵሎም እቶም ኣብታ ምኵራብ ነዚ ዝሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቘጥዑ፣+ 29 ተንሲኦም ከኣ ካብታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣውጽእዎ፣ ቍልቁል ኬጽድፍዎ ኢሎም ከኣ፡ ናብ ገምገም እቲ ኸተማኦም እተሰርሓትሉ ኸረን ወሰድዎ። 30 ንሱ ግና ብማእከሎም ሓሊፉ ኸደ።+ 31 ናብ ቅፍርናሆም፡ ከተማ ገሊላ ድማ ወረደ። ብሰንበት እውን ይምህሮም ነበረ፣+ 32 ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።+ 33 ኣብታ ምኵራብ ድማ፡ ጋኔን፡ ማለት ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ጨደረ፦+ 34 “ኣየ፡ ኣታ ናዝሬታዊ የሱስ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧+ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ መን ምዃንካ ብልክዕ ፈሊጠካ ኣለኹ፣ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ኢኻ።”+ 35 የሱስ ግና፡ “ስቕ በል፡ ካብኡ እውን ውጻእ!” ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእከሎም ምስ ደርበዮ፡ ከይጐድኦ ኻብኡ ወጸ። 36 ኵላቶም ድማ ተደመሙ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ “ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣንን ብሓይልን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይወጹ እዮም እሞ፡ እዝስ እንታይ ዓይነት ዘረባ እዩ፧” እናበሉ ተዛራረቡ። 37 ወሪኡ ድማ ናብ ኵሉ መኣዝን እቲ ጐደቦታት ተዘርግሐ። 38 ካብታ ምኵራብ ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብርቱዕ ረስኒ ነበራ፣ ኪረድኣ እውን ለመንዎ።+ 39 ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፡ ነቲ ረስና ገንሖ፡ ሓደጋ ድማ። ብቕጽበት ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶም። 40 ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም እተፈላለየ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ዘለውዎም፡ ናብኡ ኣምጽእዎም። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኣእዳዉ ኣንቢሩ ኣሕወዮም።+ 41 ኣጋንንቲ እውን፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ”+ ኢሎም እናጨደሩ ኻብ ብዙሓት ወጹ። ግናኸ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ እናገንሐ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቕደሎምን ነበረ።+ 42 ምስ ወግሐ ግና፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ።+ እቶም ህዝቢ ኸኣ ደለይዎ፡ ናብታ ዘለዋ መጺኦም እውን፡ ካባታቶም ከይከይድ ኪሕዝዎ ፈተኑ። 43 ንሱ ግና፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በሎም።+ 44 ኣብ ምኵራባት ይሁዳ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ። 16 ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣመሓዳሪ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፣ ገንዘቡ ይዘርወሉ ኸም ዘሎ ድማ ተነግሮ። 2 ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ቤተይ ከተመሓድር ኣይትኽእልን ኢኻ እሞ፡ ጸብጻብ ኣመሓዳድራኻ ሃበኒ’ በሎ። 3 እቲ ኣመሓዳሪ ቤት ከኣ ብልቡ፡ ‘ጐይታይ ካብዛ ቤት ናይ ምምሕዳር ሓላፍነተይ ኬውርደኒ እዩ እሞ፡ እንታይ ክገብር እየ፧ ከይባሩ፡* ጕልበት የብለይን፣ ከይልምን ከኣ እሓፍር። 4 ካብ ሓላፍነተይ ምስ ወረድኩ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉንስ፡ እንታይ ከም ዝገብር ፈሊጠ ኣለኹ’ በለ። 5 ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፡ ‘ጐይታይ ክንደይ ይእውደካ፧’ በሎ። 6 ንሱ ኸኣ፡ ‘100 ባት* ዘይቲ ኣውልዕ’ ኢሉ መለሰ። ንሱ ድማ፡ ‘ጽሑፍ ውዕልካ እንካ፡ ተቐመጥ እሞ፡ ቀልጢፍካ 50 ኢልካ ጽሓፍ’ በሎ። 7 ድሕሪኡ፡ ንሓደ ኻልእ፡ ‘ንስኻኸ ኽንደይ ትእወድ፧’ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘100 ቆሮስ* ስርናይ’ በሎ። ንሱ ድማ፡ ‘ጽሑፍ ውዕልካ እንካ፡ 80 ኢልካ ጽሓፍ’ በሎ። 8 እቲ ኣመሓዳሪ ቤት ዓማጺ እኳ እንተ ዀነ፡ ስለ እተጣበበ፡* ጐይታኡ ነኣዶ። ደቂ እዚ ስርዓት* እዝስ፡ ኣብ ወለዶኦም ካብ ደቂ ብርሃን+ ንላዕሊ ይጣበቡ እዮም። 9 “እብለኩም ኣለኹ፦ ምስ ተወድኣኩም፡ ኣብ ናይ ዘለኣለም መንበሪ ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲ፡+ ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ።+ 10 ብንእሽቶ እሙን ዝዀነ፡ ብብዙሕ እውን እሙን እዩ፣ እቲ ብንእሽቶ ዚዕምጽ ድማ፡ ብብዙሕ እውን ዓማጺ እዩ። 11 እምበኣር፡ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት እንተ ዘይኴንኩም፡ ነቲ ናይ ሓቂ ደኣ መን ብሕድሪ ኺህበኩም እዩ፧ 12 ብናይ እማትኩም እሙናት እንተ ዘይኴንኩምሲ፡ ናትኩም ደኣ መን ኪህበኩም እዩ፧+ 13 ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ጊልያ የልቦን፣ ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”+ 14 እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ፡ ነዚ ዅሉ ይሰምዕዎ ነበሩ እሞ፡ ኣናሸውዎ።+ 15 ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ርእስኹም እተጽድቑ ኢኹም፡+ ኣምላኽ ግና ንልብኹም ይፈልጦ እዩ።+ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ልዑል ዝዀነስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽዩፍ እዩ።+ 16 “ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ እዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፣ ኵሎም ዓይነት ሰባት ድማ ይጋደሉላ ኣለዉ።+ 17 ካብ ሕጊ ሓንቲ ሕንጻጽ ከይተፈጸመት ካብ እትሓልፍ፡ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ይቐልል።+ 18 “ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዚምርዖ ዅሉ ይዝሙ፣ ካብ ሰብኣያ እተፈትሐት ዚምርዖ ድማ ይዝሙ።+ 19 “ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳንን በፍታን ዚኽደን፡ መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። 20 ኣብ ኣፍ ደጊኡ ዜንብርዎ ብቝስሊ እተወርሰ ኣልኣዛር ዝስሙ ለማኒ እውን ነበረ። 21 ንሱ ድማ ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ፡ ከብዱ ኺመልእ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱሉ ነበሩ። 22 ሓደ ግዜ፡ እቲ ለማኒ ሞተ፡ ብመላእኽቲ ኸኣ ናብ ጐድኒ ኣብርሃም* ተወስደ። “እቲ ሃብታም ድማ ሞተ፡ ተቐብረ እውን። 23 ኣብ መቓብር* እናተሳቐየ ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ንኣብርሃም ብርሑቕ፡ ንኣልኣዛር እውን ኣብ ጐድኑ* ረኣዮ። 24 ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ኦ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታ እዚ እሳቐ ኣለኹ እሞ፡ ምሓረኒ፡ ጫፍ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ ከኣ ንኣልኣዛር ስደደለይ’ በሎ። 25 ኣብርሃም ግና፡ ‘ወደይ፡ ንስኻስ ኣብ ህይወትካ ጽቡቕ ከም ዝረኸብካ፡ ኣልኣዛር ግና ሕማቕ ከም ዝረኸበ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ ኣሎ፡ ንስኻ ግና ትሳቐ ኣለኻ። 26 ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሓልፉ ዚደልዩ ኸይክእሉ፡ ካብኡ እውን ናባና ኸይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይሩ ኣሎ’ በሎ። 27 ንሱ ኸኣ፡ ‘እምበኣር፡ ኦ ኣቦይ፡ ንዕኡ ናብ ቤት ኣቦይ ክትልእኮ እልምነካ ኣለኹ፣ 28 ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶም እውን ናብዛ ቦታ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹስ፡ ኣጸቢቑ ይመስክረሎም’ በሎ። 29 ኣብርሃም ግና፡ ‘ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፣ ንዓታቶም ይስምዕዎም’ በሎ።+ 30 ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣይፋልን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸይድዎምሲ፡ ኪንስሑ እዮም’ በሎ። 31 ንሱ ግና፡ ‘ንሙሴን ንነብያትን እንተ ዘይሰሚዖምዎምሲ፡+ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንሲኡ እውን ኣይኪኣምኑን እዮም’ በሎ።” 6 ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ኺሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት እናቐንጠቡ፡ ብኣእዳዎም እናሓሰዩ+ ይበልዑ ነበሩ።+ 2 ገለ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፡ “ብሰንበት ኪግበር ዘይተፈቕደ ስለምንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧” በልዎም።+ 3 የሱስ ግና፡ “ዳዊት፡ ንሱን ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ እንታይ ከም ዝገበረስ ከቶዶ ኣየንበብኩምን፧+ 4 ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ካህናት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኪበልዕዎ ዘይተፈቕደ እንጌራ መባእ* ተቐቢሉ ኸም ዝበልዐ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ እውን ከም ዝሃቦምዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢሉ መለሰሎም።+ 5 ኣስዒቡ እውን፡ “ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ” በሎም።+ 6 ብኻልእ ሰንበት+ ድማ ናብ ምኵራብ ኣትዩ መሃረ። ኣብኡ ኸኣ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ ነበረ።+ 7 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ ንየሱስ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወየ ይከታተልዎ ነበሩ። 8 ንሱ ግና ሓሳባቶም ፈሊጡ፡+ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ፡ “ተንስእ እሞ፡ ኣብ ማእከል ደው በል” በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ደው በለ። 9 የሱስ ከኣ፡ “እስከ ኽሓትተኩም፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባር ድዩ ተፈቒዱ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንህይወት* ምድሓን ድዩ ወይስ ምቕታላ፧” በሎም።+ 10 ንዅላቶም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶም ከኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ ኢዱ እውን ሓወየት። 11 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ። 12 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ፣+ ምሉእ ለይቲ ድማ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ሓደረ።+ 13 መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም 12 ኻባታቶም ሓረየ፦+ 14 እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦንን ሓዉ እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን+ በርተሎሜዎስን 15 ማቴዎስን ቶማስን+ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ “ቐናእ” እተባህለ ስምኦንን 16 ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ኸዳዕ ዝዀነ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 17 ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በለ፣ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነበሩ፣ ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሓውዩን ካብ ኵሉ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶንን ዝመጹ ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ እውን ነበሩ። 18 እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩ እኳ ሓወዩ። 19 ካብኡ ሓይሊ ይወጽእን+ ንዅላቶም የሕውዮምን ነበረ እሞ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኺትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። 20 ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናታትኩም እያ እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ 21 “ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ “ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ 22 “ሰባት ምእንቲ ወዲ ሰብ ኢሎም ምስ ዚጸልኡኹምን+ ምስ ዚፈልዩኹምን+ ምስ ዚጸርፉኹምን ስምኩም ምስ ዜኽፍኡን፡ ሕጉሳት ኢኹም። 23 ኣቦታቶም ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተሓጐሱን ተሰራሰሩን።+ 24 “ኣቱም ሃብታማት ግና፡ ምጽንናዕኩም ብምሉኡ ረኺብኩም ኢኹም እሞ+፡ ወይለኹም።+ 25 “ኣቱም ሕጂ ዝጸገብኩም፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። “ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትሓዝኑን ክትበኽዩን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።+ 26 “ኵሎም ሰባት ጽቡቕ ምስ ዚዛረቡልኩም፡ ኣቦታቶም ንናይ ሓሶት ነብያት ከምኡ ገይሮምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም።+ 27 “ንዓኻትኩም ትሰምዑ ንዘለኹም ግና እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፣ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፣+ 28 ንዚረግሙኹም መርቑ፣ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ።+ 29 ምዕጕርትኻ ንዚወቕዓካ፡ እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ፣ ክዳንካ ንዝወሰደ፡ ቀምሽካ እውን ኣይትኽልኣዮ።+ 30 ንዚልምነካ ዘበለ ሃቦ፣+ ገንዘብካ ንዝወሰደ እውን ኪመልሰልካ ኣይትሕተቶ። 31 “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም።+ 32 “ነቶም ዜፍቅሩኹም እንተ ኣፍቂርኩም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን እኳ ንዜፍቅርዎም የፍቅሩ እዮም።+ 33 ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጽቡቕ እንተ ጌርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም። 34 ኪፈድዩኹም ንእትጽበይዎም እንተ ኣለቂሕኩምከ፡* እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧+ ሓጥኣን እኳ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ ኢሎም የለቅሕዎም እዮም። 35 ግናኸ፡ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ጽቡቕ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸበኹም ከኣ ኣለቅሑ፣+ እቲ ልዑል ንዘየመስግኑን ንእኩያትን ለዋህ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉዳቱ እውን ክትኰኑ ኢኹም።+ 36 ከምቲ ኣቦኹም መሓሪ ዝዀነ፡ መሓርቲ ኹኑ።+ 37 “ደጊም ኣይትፍረዱ፡ ከቶ ድማ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፣+ ደጊም ኣይትዀንኑ፡ ከቶ እውን ኣይክትኵነኑን ኢኹም። ሕደጉ፡ ኪሕደገልኩም ድማ እዩ።+ 38 ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም።+ ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ እተሰጐደን እተነኽነኸን መሊኡ ዚፈስስን ጽቡቕ ስፍሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።” 39 ብምሳሌ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኦም ደይኰኑን ኣብ ጕድጓድ ዚወድቁ፧+ 40 ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን እዩ፣ ተማሂሩ ዝወድአ ዅሉ ግና፡ ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን። 41 ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ዘየስተብሃልካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፧+ 42 ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ኸይረኣኻስ፡ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ‘ሓወየ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካ ሕደገኒ’ እትብሎ፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ነቲ ሰርወ ኣውጽኣዮ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ። 43 “ሕማቕ ፍረ ዚፈሪ ጽቡቕ ኦም የልቦን፣ ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ ሕማቕ ኦም እውን የልቦን።+ 44 ከመይሲ፡ ኵሉ ኦም ብፍሪኡ እዩ ዚፍለጥ።+ ንኣብነት፡ ካብ እሾዅ በለስ* ኣይኣርዩን፡ ካብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እውን ወይኒ ኣይቅንጥቡን እዮም። 45 ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ሕያዋይ ሰብ ካብ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ፡ ጽቡቕ የውጽእ፣ እኩይ ሰብ ግና፡ ካብ እከይ መዝገቡ፡ እከይ የውጽእ።+ 46 “ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፡ ስለምንታይ፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ እትብሉኒ፧+ 47 እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ኵሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም፦+ 48 ቤት ኪሃንጽ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረት ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ይመስል። ብርቱዕ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፣ ጽቡቕ ስለ እተሃንጸት ግና፡ ኪንቕንቓ ኣይከኣለን።+ 49 እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፡+ ቤት ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሃነጸ ሰብኣይ ይመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ድማ ወደቐት፣ ኣወዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።” 10 ድሕርዚ፡ ጐይታ፡ ካልኦት 70 መዘዘ፣ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ቦታን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።+ 2 ከምዚ ድማ በሎም፦ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ።+ 3 ኪዱ። እንሆ፡ ከም ዕያውቲ ናብ መንጎ ተዃሉ እልእከኩም ኣለኹ።+ 4 ማሕፉዳ ዀነ፡ ለቘታ ስንቂ ዀነ፡ ኣሳእን ኰነ ኣይትማልኡ፣+ ኣብ መገዲ ድማ ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ።* 5 ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ቅድም፡ ‘ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን’ በሉ።+ 6 ኣብኣ ፈታው ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሓድር እዩ። እንተ ዘየልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ። 7 ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡+ ኣብታ ቤት ዝሃቡኹም እናበላዕኩምን እናሰተኹምን+ ተቐመጡ።+ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። 8 “ኣብ እትኣትውዋ ኸተማ እውን፡ እንተ ተቐቢሎምኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ፡ 9 ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ ኸኣ በልዎም።+ 10 ኣብታ እትኣትውዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ግና፡ ናብ ጐደናኣ ወጺእኩም፡ 11 ‘እቲ ኻብ ከተማኹም ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ደሮና እኳ ንነግፈልኩም ኣለና።+ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ’ በሉ። 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣ፡ ንሶዶም ኪቐልል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 13 “ወይለኺ ኰራዚን! ወይለኺ ቤት-ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶንን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን፡ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ተቐሚጠን፡ ቀደም ምተነስሓ ነይረን።+ 14 ስለዚ፡ ብፍርዲ፡ ካብ ንዓኻትክን ንጢሮስን ንሲዶንን ኪቐልል እዩ። 15 ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳብ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳብ መቓብር* እባ ኽትወርዲ ኢኺ! 16 “እቲ ንዓኻትኩም ዚሰምዓኩም፡ ንዓይ እውን ይሰምዓኒ።+ እቲ ንዓኻትኩም ዚንዕቀኩም፡ ንዓይ እውን ይንዕቀኒ። እቲ ንዓይ ዚንዕቀኒ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።”+ 17 እቶም 70 ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ እኳ ብስምካ ተገዚኦምልና” እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ።+ 18 ንሱ ድማ፡ “ሰይጣን ድሮ ኸም በርቂ ኻብ ሰማይ ወዲቑ ርእየዮ።+ 19 እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ክትረግጹ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓይሊ ጸላኢ ኽትስልጥኑ ስልጣን ሂበኩም ኣለኹ፣+ ዚጐድኣኩም ከኣ ከቶ የልቦን። 20 ግናኸ፡ ስምኩም ኣብ ሰማያት ስለ እተጻሕፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፡+ መናፍስቲ ስለ እተገዝኡልኩም፡ በዚ ኣይትተሓጐሱ” በሎም። 21 በታ ሰዓት እቲኣ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ባህ በሎ፡ ከምዚ እውን በለ፦ “ኦ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡+ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ። እወ፡ ኦ ኣቦይ፡ እዚ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ።+ 22 ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋሂቡኒ ኣሎ፣ ወዲ መን ምዃኑ ኸኣ ብዘይካ ኣቦ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፣ ኣቦ መን ምዃኑ እውን ብዘይካ ወድን+ ወዲ ኺገልጸሉ ዚደልን፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።”+ 23 ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፡ “ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ሕጉሳት እየን።+ 24 ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመንዮምሲ ኣይረኣይዎን፣+ ነዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ከኣ ኪሰምዑ ተመንዮም እውን ኣይሰምዕዎን፡ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። 25 እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ ኺፍትኖ ተንሲኡ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧” በሎ።+ 26 ንሱ ድማ፡ “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፧ ከመይከ ተንብብ፧” በሎ። 27 ንሱ ኸኣ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን* ብምሉእ ሓይልኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን+ ኣፍቅሮ፡’ ድማ፡ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” ኢሉ መለሰሉ።+ 28 ንሱ ድማ፡ “ቅኑዕ መሊስካ፣ ከምኡ ግበር እሞ፡ ህይወት ክትረክብ ኢኻ” በሎ።+ 29 ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡+ ንየሱስ፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” በሎ። 30 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ፣ ንሳቶም ከኣ ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 31 ብኣጋጣሚ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ወረደ፣ ምስ ረኣዮ ግና፡ ብመንጽሩ ሓለፈ። 32 ከምኡ ድማ፡ ሓደ ሌዋዊ ናብታ ቦታ እቲኣ ምስ መጸን ምስ ረኣዮን፡ ብመንጽሩ ሓለፈ። 33 ሓደ ሳምራዊ+ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፣ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ። 34 ናብኡ ቐሪቡ ኸኣ ዘይትን ወይንን ኣፍሲሱ፡ ኣቝሳሉ ዘነነሉ። ኣብ እንስሳኡ ኣወጢሑ እውን፡ ናብ መሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ፡ ተኸናኸኖ። 35 ንጽብሒቱ ድማ፡ ክልተ ዲናር* ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው መሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፡ ‘ተኸናኸኖ፣ ዝያዳ እዚ እተውጽኦ ዘበለ እውን፡ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ’ በሎ። 36 ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ፡ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም ይመስለካ፧”+ 37 ንሱ ድማ፡ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” በለ።+ የሱስ ከኣ፡ “ንስኻ እውን ኪድ እሞ፡ ከምኡ ግበር” በሎ።+ 38 ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ናብ ሓንቲ ቝሸት ኣተወ። ማርታ+ ዝስማ ሰበይቲ ድማ፡ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። 39 ማርያም እትብሃል ሓብቲ ድማ ነበረታ፣ ንሳ ኸኣ ኣብ እግሪ ጐይታ ተቐሚጣ፡ ዘረባኡ* ትሰምዕ ነበረት። 40 ማርታ ግና ብዙሕ ኣብ ምግልጋል ኣስጊላ ነበረት። ቀሪባ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ መጺኣ ኽትሕግዘኒ እባ ንገራ” በለቶ። 41 ጐይታ ኸኣ፡ “ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትሽገርን ኣለኺ። 42 እቲ ዜድሊ ግና፡ ሒደት ወይ ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ጽቡቕ ግደ* ሓርያ ኣላ፣+ ካብኣ ኸኣ ኣይኪውሰድን እዩ” በላ። 14 ሓደ እዋን፡ ብሰንበት ናብ ቤት ሓደ ኻብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ኪበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይከታተልዎ ነበሩ። 2 እንሆ ኸኣ፡ ኣካላቱ ዝሓበጠ* ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3 የሱስ ነቶም ፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፡ “ብሰንበት ምሕዋይሲ ተፈቒዱ ድዩ ኣይፋልን፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 4 ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ሒዙ ኣሕወዮ፡ ሰደዶ እውን። 5 “ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዒላ እንተ ወዲቑ፡+ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን ኣሎ፧” ድማ በሎም።+ 6 ነዚ ኸኣ ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን። 7 እቶም ዕዱማት ምርኡይ ቦታ ይሓርዩ ኸም ዘለዉ ምስ ረኣየ ድማ፡+ ከምዚ ኢሉ ምሳሌ መሰለሎም፦ 8 “ሓደ ናብ መርዓ ምስ ዚዕድመካ፡ ኣብ ምርኡይ ቦታ ኣይትቀመጥ።+ ምናልባት ካባኻ ዚኸብር ዓዲሙ እንተ ኣልዩ፡ 9 እቲ ንኽልቴኹም ዝዓደመኩም መጺኡ፡ ‘እዛ ቦታ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ’ ኺብለካ እዩ። ሽዑ፡ እናሓፈርካ ናብታ ዝተሓተት ቦታ ኽትወርድ ትጅምር። 10 ግናኸ፡ ምስ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ‘ዓርከይ፡ ናብ ዝለዓለ ኺድ’ ምእንቲ ኺብለካ፡ ኬድካ ኣብታ ዝተሓተት ቦታ ተቐመጥ። ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም መተዓድምትኻ ኽትከብር ኢኻ።+ 11 ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ከኣ ኪልዕል እዩ።”+ 12 ነቲ ዝዓደሞ ሰብኣይ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ምሳሕ ወይ ድራር ምስ እትገብር፡ ኣዕሩኽካ፡ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትዓድም። እንተ ዘይኰነስ፡ መሊሶም እንተ ዓዲሞምኻ፡ ክትፍደ ኢኻ። 13 ድግስ ምስ እትገብርሲ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ዓድም፣+ 14 ዚፈድዩኻ ስለ ዘይብሎም፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ከመይሲ፡ ብትንሳኤ ጻድቃን ክትፍደ ኢኻ።”+ 15 ሓደ ኻብቶም መተዓድምቱ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚበልዕ* ሕጉስ እዩ” በሎ። 16 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፣+ ንብዙሓት እውን ዓደመ። 17 ሰዓት ድራር ምስ ኣኸለ ድማ፡ ነቶም ዕዱማት፡ ‘ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ’ ኺብሎም ባርያኡ ለኣኸ። 18 ኵላቶም ግና ተመሳሳሊ መመኽነይታ ኬቕርቡ ጀመሩ።+ እቲ ቐዳማይ፡ ‘ግራት ዓዲገ ኣለኹ፡ ወፊረ ኽርእያ ድማ ኣሎኒ፣ ከተመኻንየለይ እልምነካ ኣለኹ’ በሎ። 19 ካልእ ከኣ፡ ‘ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣለኹ፡ ክፍትኖም ከኣ ክኸይድ እየ፣ ከተመኻንየለይ እልምነካ ኣለኹ’ በለ።+ 20 ካልእ ድማ፡ ‘ተመርዕየ ኣለኹ፣ ስለዚ፡ ክመጽእ ኣይክእልን እየ’ በለ። 21 እቲ ባርያ መጺኡ፡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ፡ እቲ ብዓል ቤት ተቘጢዑ፡ ንባርያኡ፡ ‘ናብ ጐደናታትን መተሓላለፊታትን ከተማ ቐልጢፍካ ውጻእ፣ ድኻታትን ቈራያትን ዕዉራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብዚ ኣእቱ’ በሎ። 22 ደሓር እቲ ባርያ፡ ‘ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ገና ድማ ቦታ ኣሎ’ በሎ። 23 እቲ ጐይታ ኸኣ ነቲ ባርያ፡ ‘ናብ ጐደናታትን ናብ መገድታትን ውጻእ እሞ፡ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ግዲ በሎም።+ 24 ካብቶም ተዓዲሞም ዝነበሩ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ’ በሎ።”+ 25 ብዙሓት ህዝቢ ድማ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ፣ ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ኸምዚ በሎም፦ 26 “ናባይ ዚመጽእ እንተ ኣልዩ እሞ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱ* እውን ከይተረፈት እንተ ዘይጸሊኡ፡*+ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።+ 27 ጕንዲ ስቅያቱ* ጾይሩ ዘይስዕበኒ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።+ 28 መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧ 29 እንተ ዘይኰነስ፡ መሰረት ሰሪቱ፡ ምውዳኡ ይስእን ይኸውን፣ ዝረኣይዎ ዘበሉ ኸኣ፡ ከምዚ እናበሉ ኼላግጹሉ ይጅምሩ፦ 30 ‘እዚ ሰብኣይ እዚ ምህናጽ ጀሚሩስ፡ ምውዳኡ ስኢኑ።’ "31 ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ፡ ነቲ ብ20,000 ዚመጾስ ብ10,000 ወተሃደራት ኪገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይመክር፧" 32 እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓደ ገና ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ። 33 ከምኡ ድማ፡ ዋላ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ኵሉ ንብረቱ ኸይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።+ 34 “ጨውሲ ጽቡቕ እዩ። ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፊኡ ግና፡ ብምንታይ ይምቅር፧+ 35 ናብ ወጻኢ ይድርብይዎ እምበር፡ ንመሬት ኰነ ንድዅዒ ኣይጠቅምን እዩ። ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”+ 9 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኵሎም ኣጋንንቲ ኼውጽኡን ሕማም ኬሕውዩን ሓይልን ስልጣንን ሃቦም።+ 2 መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾም፣ 3 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ንመገዲ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ስንቂ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ* ኰነ፡ ገለ እኳ ኣይትማልኡ፣ ክልተ ቐምሽ* እውን ኣይሃሉኹም።+ 4 ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ኣብኣ ተቐመጡ፡ ካብኣ እውን ንቐሉ።+ 5 እንተ ዘይተቐቢሎምኹም፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ንምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ደሮና ኣእጋርኩም ንገፉ።”+ 6 ወጺኦም ኣብ ኵሉ እናኣበሰሩን እናኣሕወዩን ኣብ ቈቍሸት ዞሩ።+ 7 ሄሮድስ* እቲ ገዛኢ ኣውራጃ* ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝዀነ ሰምዐ፣ ገሊኦም፡ ዮሃንስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ይዛረቡ ብምንባሮም ከኣ ኣመና ደንጸዎ፣+ 8 ገሊኦም፡ ኤልያስ ከም እተራእየ፡ ገሊኦም ከኣ ሓደ ኻብ ናይ ጥንቲ ነብያት ከም ዝተንስአ ይዛረቡ ነበሩ።+ 9 ሄሮድስ ድማ፡ “ንዮሃንስ ርእሱ ኣሰይፈዮ እየ።+ እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘለኹ ደኣ መን እዩ፧” በለ። ኪርእዮ እውን ይደሊ ነበረ።+ 10 ሃዋርያት ምስ ተመልሱ፡ ዝገበርዎ ዅሉ ንየሱስ ነገርዎ።+ ንበይኖም ድማ፡ ቤት-ሳይዳ ናብ እትብሃል ከተማ ወሰዶም።+ 11 እቶም ህዝቢ ግና፡ ፈሊጦም ሰዓብዎ። ብጽቡቕ ተቐቢሉ ኸኣ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተዛረቦም፣ ኪሓውዩ ዜድልዮም እውን ኣሕወዮም።+ 12 መዓልቲ ኽትዓርብ ጀመረት። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ መጺኦም፡ “ኣብዚ ኣብ ጽምዊ ቦታ ኢና ዘለና እሞ፡ እዞም ህዝቢ ኣብ ከባቢና ናብ ዘሎ ኣቝሻትን ገጠርን ከይዶም መሕደርን ዚብላዕን ኪረኽቡስ፡ ኣሰናብቶም” በልዎ።+ 13 ንሱ ግና፡ “ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” በሎም።+ ንሳቶም ድማ፡ “ንሕና ኼድና ንዅሉ እዚ ህዝቢ ዚብላዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ” በሉ። "14 ኣስታት 5,000 ሰብኡት ከኣ ይዀኑ ነበሩ። ንሱ ግና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “በብሓምሳ ጌርኩም ኣቐምጥዎም” በሎም።" 15 ንሳቶም ከኣ ከምቲ ዝበሎም ገበሩ፡ ንዅላቶም እውን ኣቐመጥዎም። 16 ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ጠሚቱ ባረኸ። ቈሪሱ ድማ ነቶም ህዝቢ ምእንቲ ኬቕርቡሎም፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። 17 ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ ዝተረፈ ኸኣ 12 መሶብ ቍርስራስ ኣልዓሉ።+ 18 ጸኒሑ፡ በይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብኡ መጹ፣ ንሱ እውን፡ “ህዝቢ መን እዩ ይብለኒ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶም።+ 19 ንሳቶም ድማ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ከኣ ኤልያስ፡ ካልኦት እውን ሓደ ኻብ ናይ ጥንቲ ነብያት ተንሲኡ ይብሉ” ኢሎም መለሱሉ።+ 20 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ”* ኢሉ መለሰሉ።+ 21 ንሱ ድማ ብጽኑዕ ተዛረቦም፡ እዚ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም፣+ 22 “ወዲ ሰብ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ኪነዓቕ፡ ኪቕተል፡+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ እዩ” ድማ በሎም።+ 23 ንዅላቶም ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡+ መዓልቲ መዓልቲ ጕንዲ ስቅያቱ* ኣልዒሉ፡ ብቐጻሊ ይስዓበኒ።+ 24 ንህይወቱ* ኼድሕና ዚደሊ ዘበለስ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንህይወቱ* ምእንታይ ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ንሱ ኺረኽባ እዩ።+ 25 ሰብ ምሉእ ዓለም ረቢሑስ፡ ርእሱ እንተ ኣጥፊኡ ወይስ እንተ ጐዲኡ እንታይ ይጠቕሞ፧+ 26 ብኣይን ብቓለይን ዚሓፍር ዘበለስ፡ ወዲ ሰብ ብኽብሩን ብኽብሪ ኣቦኡን ብኽብሪ ቕዱሳት መላእኽትን ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሓፍር እዩ።+ 27 ግናኸ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ገለ ኻብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚርእይዋ፡ ሞት ኣይኪጥዕሙን እዮም።”+ 28 ካብዚ ዘረባ እዚ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ንያእቆብን ወሲዱ፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ።+ 29 ኪጽሊ ኸሎ ኸኣ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳኑ እውን ብርቕርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። 30 እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ፣ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን ነበሩ። 31 ንሳቶም ብኽብሪ ተራእዩ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጽሞ ዘለዎ ምኻዱ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ።+ 32 ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ድቃስ ከቢድዎም ነበረ፣ ምስ ተበራበሩ ግና፡ ክብሩን ምስኡ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰብኡትን ረኣዩ።+ 33 እዚኣቶም ካብኡ ኺፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “መምህር፡ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። እምበኣር፡ ሰለስተ ድንኳን ንትከል። ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ ድማ ንኤልያስ” በሎ። ዚብሎ እውን ኣይፈልጥን ነበረ። 34 ንሱ ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብቲ ደበና ኺኣትዉ ኸለዉ፡ ፈርሁ። 35 ካብቲ ደበና ድማ፡ “እቲ እተሓርየ+ ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ”+ ዚብል ድምጺ መጸ።+ 36 እቲ ድምጺ ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ የሱስ በይኑ ተረኽበ። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ፣ በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ነገር፡ ንሓደ እኳ ኣይነገሩን።+ 37 ንጽብሒቱ፡ ካብ ከረን ምስ ወረዱ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኸቦ።+ 38 እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ጨርሐ፦ “መምህር፡ ንሱ ሓደ ውሉደይ እዩ እሞ፡ ንወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣለኹ።+ 39 እንሆ ድማ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብሃንደበት ይጭድር፡ እናኣዕፈረ የንፈርፍሮ፡ ከይጐድአ ኸኣ ኣይሓድጎን። 40 ንደቀ መዛሙርትኻ ኼውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ኣይከኣሉን።” 41 የሱስ ድማ፡ “ኣታ ዘይኣምንን ቄናንን ወለዶ፡+ ክሳዕ መዓስ እየ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጽኣዮ” ኢሉ መለሰ።+ 42 ግናኸ፡ ኪመጽእ ከሎ እኳ፡ እቲ መንፈስ ናብ ምድሪ ኣውደቖን ኣንፈርፈሮን። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ወዲ ኣሕወዮ፡ ንኣቦኡ እውን ሃቦ። 43 ኵላቶም ድማ በቲ ዓብዪ ሓይሊ ኣምላኽ ተገረሙ። ኵላቶም በቲ ዝገበሮ ዅሉ ኺግረሙ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ 44 “ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰባት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ እሞ፡ ነዘን ቃላት እዚአን ተጠንቂቕኩም ስምዕወንን ዘክርወንን” በሎም።+ 45 ንሳቶም ግና ነዚ ዘረባ እዚ ኣይተረድእዎን። ከይግንዘብዎ ተሰዊርዎም ነበረ፡ ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ኸይሓትትዎ እውን ፈርሁ። 46 ካባታቶም መን ከም ዚዓቢ ኸኣ ኣብ መንጎኦም ክርክር ኰነ።+ 47 የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ፡ ቈልዓ ወሰደ እሞ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፡ 48 “እቲ ነዚ ቘልዓ እዚ ብስመይ ዚቕበሎ ዘበለ፡ ንዓይ ይቕበለኒ፣ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ዘበለ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ።+ እቲ ኣብ መንጎ ዅላትኩም ርእሱ ዜንእስ፡ ንሱ እዩ ዓብዪ” በሎም።+ 49 ዮሃንስ ከኣ፡ “መምህር፡ ሓደስ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ርኢናዮ፣ ምሳና ስለ ዘይሰዓበ ኸኣ፡ ክንክልክሎ ፈቲንና” ኢሉ መለሰሉ።+ 50 የሱስ ግና፡ “ዘይጻረረኩም ዘበለ፡ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ክትክልክልዎ ኣይትፈትኑ” በሎ። 51 ዚዓርገሉ ግዜ ምስ ቀረበ፡*+ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ቈሪጹ ገጹ መለሰ። 52 ቀቅድሚኡ ኸኣ፡ ልኡኻት ሰደደ። ከይዶም ድማ፡ ኬዳልዉሉ ኣብ ሓንቲ ቝሸት ሳምራውያን ኣተዉ። 53 ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ቈሪጹ* ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን።+ 54 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ ያእቆብን ዮሃንስን+ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ “ጐይታይ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሉ።+ 55 ንሱ ግና፡ ምልስ ኢሉ ገንሖም። 56 ናብ ካልእ ቍሸት እውን ከዱ። 57 ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ሓደ፡ “ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” በሎ። 58 የሱስ ግና፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በሎ።+ 59 ንሓደ ኻልእ ከኣ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ንኣቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ።+ 60 ንሱ ግና፡ “ምዉታት+ ንምዉታቶም ይቕበርዎም፣ ንስኻ ግና ኬድካ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣውጅ” በሎ።+ 61 ሓደ ኻልእ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፣ ግናኸ፡ ቅድም ንቤተ ሰበይ ክሰናበት ፍቐደለይ” በሎ። 62 የሱስ ግና፡ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡+ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።+ 13 በቲ እዋን እቲ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ገለ ሰባት፡ ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸምበሮ ገሊላውያን ነገርዎ። 2 ከምዚ ኢሉ ድማ መለሰሎም፦ “እዞም ገሊላውያን እዚኦም፡ እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧ 3 ኣይፋሎምን፣ እንተ ዘይተነሲሕኩም፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 4 ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተው ሸሞንተኸ፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝገደዱ በደልቲ ዝነበሩዶ ይመስለኩም፧ 5 ኣይፋሎምን፣ እንተ ዘይተነሲሕኩም፡ ኵላትኩም ከማታቶም ክትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።” 6 እዛ ምሳሌ እዚኣ ኸኣ መሰለ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ፡ ኦም በለስ* ነበረቶ፣ ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን።+ 7 ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ‘እንሆ፡ ካብዛ ኦም በለስ እዚኣ ፍረ እናደለኹ ሰለስተ ዓመት መጺአስ፡ ኣይረኸብኩላን። ቍረጻ! ስለምንታይ ምድሪ እተባኽን፧’ በሎ። 8 ንሱ ግና፡ ‘ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ ሓንቲ ዓመት ሕደጋ። 9 ኣብ መጻኢ እንተ ፈርያ፡ ጽቡቕ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ትቘርጻ’ ኢሉ መለሰሉ።”+ 10 ብሰንበት ድማ ኣብ ሓንቲ ምኵራብ ይምህር ነበረ። 11 እንሆ ኸኣ፡ ን18 ዓመት መንፈስ ድኻም* ዝሓደራ ሰበይቲ ነበረት፣ ንሳ ድማ ኣመና ጐቢጣ፡ ክትቀንዕ እውን ከቶ ኣይትኽእልን ነበረት። 12 የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ድኻምኪ ተፈቲሕኪ ኢኺ” በላ።+ 13 ኣእዳዉ ኸኣ ኣንበረላ፣ ብቕጽበት ድማ ቀንዐት፡ ንኣምላኽ እውን ኣሞገሰቶ። 14 እቲ መራሕ ምኵራብ ግና፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ኪዕየየለን ዚግባእ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣለዋ፣+ እምበኣር፡ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን” በሎም።+ 15 ጐይታ ግና፡ “ኣቱም ግቡዛት፡+ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይስ ንኣድጉ ብሰንበት ካብ ጋጹ ፈቲሑ፡ ኬስትዮ ኢሉ ይመርሖ ደይኰነን፧+ 16 እዛ ን18 ዓመት ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፡ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን እዩ፧” ኢሉ መለሰሉ። 17 እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም እተጻረርዎ ሓፈሩ፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ግና፡ በቲ ብእኡ እተገብረ ዅሉ መስተንክር ዝዀነ ግብርታት ተሓጐሱ።+ 18 ስለዚ፡ ከምዚ በለ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይከ ኽምስላ እየ፧ 19 ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ ትመስል፣ በቘለት፡ ኦም እውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ሰፈራ።”+ 20 ከም ብሓድሽ ድማ ከምዚ በለ፦ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧ 21 ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ስፍሪ* ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል።”+ 22 ናብ የሩሳሌም ኪጕዓዝ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን እናመሃረ ይሓልፍ ነበረ። 23 ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እቶም ዚድሕኑ ሒደት ድዮም፧” በሎ። ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ 24 “እብለኩም ኣለኹ፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ፡ ስለ ዘይኰነሎም፡ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።+ 25 ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢልኩም፡ ‘ጐይታይ፡ ኣርሕወልና’ እናበልኩም ክትኵሕኵሑ ኢኹም።+ ንሱ ግና፡ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጥን እየ’ ኢሉ ኺምልሰልኩም እዩ። 26 ሽዑ፡ ‘ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻ እውን ኣብ ጐደናታትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።+ 27 ንሱ ግና፡ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጥን እየ። ካባይ ርሓቑ!’ ኺብለኩም እዩ። 28 ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ረኣኹምዎም፡ ንስኻትኩም ግና ናብ ወጻኢ ምስ ተደርበኹም፡ ኣብኡ ኽትበኽዩን ኣስናንኩም ክትሕርቅሙን ኢኹም።+ 29 ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን ድማ ኪመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 30 እንሆ ኸኣ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞት እውን ኣለዉ።”+ 31 በታ ሰዓት እቲኣ፡ ገለ ፈሪሳውያን መጺኦም፡ “ሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ ስለ ዘሎ፡ ውጻእ፡ ካብዚ እውን ኪድ” በልዎ። 32 ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኬድኩም ነቲ ወኻርያ፡ ‘እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ አውጽእን ሕሙማት አሕውን ኣለኹ፣ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ክውድእ እየ’ በልዎ። 33 ነብዪ ብዘይካ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ወጻኢ ኪቕተል ዘይከውን* ስለ ዝዀነ ግና፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክኸይድ ይግብኣኒ እዩ።+ 34 የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትልን ናብኣ ንእተላእኩ ብዳርባ እምኒ እትጭፍጭፍን፡+ ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕ ኰን እየ ንደቅኺ ኽእክቦም ዝደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣቢኹም።+ 35 እንሆ፡ ቤትኩም ክትጥንጠነልኩም እያ።+ እብለኩም ኣለኹ፡ ‘ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!’ ክሳዕ እትብሉ፡ ከቶ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።”+ 5 ሓደ እዋን፡ እቶም ህዝቢ እናደፍእዎ ቓል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ቐላይ ጌንሳሬጥ* ደው ኢሉ ነበረ።+ 2 ኣብ ገምገም እቲ ቐላይ ከኣ፡ ክልተ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ፣ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ፡ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሓጽቡ ነበሩ።+ 3 ናብ ሓንቲ ኻብተን ጃለቡ፡ ናብ ናይ ስምኦን ደዪቡ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ቝሩብ ኬርሕቓ ሓተቶ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ፡ ነቶም ህዝቢ መሃሮም። 4 ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ንስምኦን፡ “ናብ ዓሚቝ ርሓቕ እሞ፡ ምእንቲ ኽትገፍፉ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ። 5 ስምኦን ከኣ፡ “መምህር፡ ምሉእ ለይቲ ጽዒርና፡ ዋላ ሓንቲ ኣይሓዝናን፣+ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ ከውርዶ እየ” ኢሉ መለሰ። 6 እዚ ምስ ገበሩ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሓዙ፣ መርበቦም እውን ተቐድደ።+ 7 ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ መሻርኽቶም ከኣ መጺኦም ኪድግፍዎም ኣመልከትዎም፣ ንሳቶም መጺኦም ድማ፡ ንኽልቲአን ጃለቡ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ መልእወን። 8 ስምኦን ጴጥሮስ፡ እዚ ምስ ረኣየ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ” እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍአ። 9 ከመይሲ፡ በቲ ዝሓዝዎ ዓሳ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኣዝዮም ተደሚሞም ነበሩ፣ 10 ሰብ ብርኩ ዝነበሩ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ እውን ከምኡ።+ የሱስ ግና ንስምኦን፡ “ደጊም ኣይትፍራህ። ካብ ሕጂ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ኽትገፍፍ ኢኻ” በሎ።+ 11 ነተን ጃለቡ ናብ ምድሪ መሊሶም ከኣ፡ ንዅሉ ሓዲጎም ሰዓብዎ።+ 12 ካልእ እዋን፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ከሎ፡ እንሆ፡ ደዌ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንሱ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ለመኖ።+ 13 ንሱ ኸኣ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ ድማ፡ ደዌኡ ጠፍአ።+ 14 ነቲ ሰብኣይ ንሓደ እኳ ኸይነግር ኣዘዞ፣ “ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡+ ስለ ምንጻህካ፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መስዋእቲ ኣቕርብ” ከኣ በሎ።+ 15 ወሪኡ ግና ብዝያዳ ተዘርግሐ፣ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሓውዩን ይእከቡ ነበሩ።+ 16 ንሱ ግና፡ ናብ በረኻ ይኸይድን ይጽልን ነበረ። 17 በተን መዓልትታት እቲአን ኪምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ኣቝሻት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፣ ምእንቲ ኼሕዊ እውን፡ ሓይሊ የሆዋ* ምስኡ ነበረ።+ 18 እንሆ ድማ፡ ልሙስ ሰብኣይ ብቓሬዛ ዝጾሩ ሰባት መጹ፣ ኣእትዮም ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ኸኣ ይደልዩ ነበሩ።+ 19 ብሰንኪ እቲ ህዝቢ ኼእትውዎ ስለ ዘይከኣሉ ድማ፡ ናብ ናሕሲ ደዪቦም፡ ብመንጎ እቲ ዘፍረስዎ ሕጡብ፡ ምስ ቃሬዛኡ ናብ መንጎ እቶም ኣብ ቅድሚ የሱስ ዝነበሩ ኣውረድዎ። 20 ንሱ እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።+ 21 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፡ “እዚ ጸርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፧ ብዘይካ ኣምላኽ በይኑኸ፡ መን ሓጢኣት ኪሓድግ ይኽእል፧” ኢሎም ኪሓስቡ ጀመሩ።+ 22 የሱስ ግና ሓሳባቶም ኣስተውዒሉ፡ “ብልብኹም እንታይ ትሓስቡ ኣለኹም፧ 23 ኣየናይ ይቐልል፧ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ፡ ወይስ፡ ‘ተንስእ እሞ ኺድ’ ምባል፧ 24 ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡—” ኢሉ ነቲ ልሙስ፡ “ተንስእ፡ ቃሬዛኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣለኹ” በሎ።+ 25 ብኡብኡ ኣብ ቅድሚኦም ተንሲኡ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ኣልዒሉ፡ ንኣምላኽ እናኣሞገሶ ናብ ቤቱ ኸደ። 26 ኵላቶም ተደመሙ፡ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ፡ “ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና!” እናበሉ ኸኣ ፍርሃት መልኦም። 27 ድሕርዚ ድማ ምስ ወጸ፡ ሌዊ ዝስሙ ኣካብ ቀረጽ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ንዕኡ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ።+ 28 ንሱ ኸኣ ንዅሉ ሓዲጉ፡ ተንሲኡ ሰዓቦ። 29 ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ድግስ ገበረሉ፣ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ካልኦት ምሳታቶም ዝነበሩን እውን ኣብቲ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ።+ 30 ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን እትበልዑን እትሰትዩን፧” እናበሉ ኣጕረምረሙሎም።+ 31 የሱስ ከኣ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።+ 32 ኣነ ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን እየ ናብ ንስሓ ኽጽውዕ መጺአ” ኢሉ መለሰሎም።+ 33 ንሳቶም ድማ፡ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብተደጋጋሚ ይጾሙን ይምህለሉን፣ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያን እውን ከምኡ፣ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን” በልዎ።+ 34 የሱስ ከኣ፡ “ንኣዕሩኽ መርዓዊ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ትኽእሉ ዲኹም፧ 35 መርዓዊ+ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ግና ኪመጻ እየን፣ ሽዑ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ኪጾሙ እዮም” በሎም።+ 36 ከምዚ ኢሉ ድማ ምሳሌ መሰለሎም፦ “ካብ ሓድሽ ክዳን ቈሪጹ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ነቲ ብላይ ይቐድዶ፡ እቲ ሓድሽ ቍራጽ ድማ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን።+ 37 ሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ እውን፡ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐድዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። 38 ሓድሽ ወይኒ ግና፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ኺዕረቕ ኣለዎ። 39 ከራሚ ወይኒ ዝሰተየ፡ ‘ከራሚ ጥዑም እዩ’ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ኣይደልን እዩ።” 21 ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ መመጽወቲ ኼውድቑ ረኣየ።+ 2 ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ፡ ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም* ከተውድቕ ከላ ረኣየ+ 3 እሞ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፡ ካብ ናይ ኵላቶም ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ።+ 4 ኵላቶምሲ ኻብ ተረፎም እዮም መባእ ኣውዲቖም፡ ንሳ ግና ካብ ስእነታ፡* ኵሉ መነባብሮኣ እያ ኣውዲቓ” በለ።+ 5 ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብወፈያን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ ኺዛረቡ ኸለዉ፡+ 6 ንሱ፡ “እዚ እትርእይዎ ዘለኹም፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን” በሎም።+ 7 ንሳቶም ከኣ፡ “መምህር፡ እዚ መዓስ ኰን ኪኸውን እዩ፧ እዚ መዓስ ከም ዚኸውን ዚሕብር ምልክትከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 8 ንሱ ኸኣ፡ “‘ኣነ እየ’ ድማ ‘ግዜኡ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡+ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።+ ኣይትስዓብዎም። 9 ውግእን ህውከትን* ምስ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ቕድም ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ” በሎም።+ 10 ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡+ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ።+ 11 ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ኣብ በቦታኡ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪኸውን እዩ፣+ መፍርህታትን ካብ ሰማይ ዓበይቲ ትእምርትታትን ኪኸውን እዩ። 12 “ቅድሚ እዚ ዅሉ ግና፡ ኪሕዙኹምን ኪሰጕጉኹምን፡+ ናብ ምኵራባትን ኣብያተ ማእሰርትን ከኣ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም እዮም። ምእንቲ ስመይ፡ ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ሹማምንትን ክትቀርቡ ኢኹም።+ 13 እዚ ድማ ክትምስክሩ ኬኽእለኩም እዩ። 14 እምበኣር፡ ከመይ ከም እትማጐቱ፡ ኣቐዲምኩም ከይትሓስቡ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ፣+ 15 ከመይሲ፡ ኵሎም ተጻረርትኹም ብሓባር ኪቃወምዎ ወይ ኪከራኸርዎ ዘይክእሉ ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ።+ 16 ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን እውን ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ንገለ ኻባኻትኩም ከኣ ኪቐትሉ እዮም፣+ 17 ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም።+ 18 ግናኸ፡ ካብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ።+ 19 ንህይወትኩም ብተጻዋርነትኩም ከተድሕንዋ ኢኹም።*+ 20 “ግናኸ፡ የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ረኣኹም፡+ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።+ 21 ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፣+ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፣ እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉ እውን ናብኣ ኣይእተዉ፣ 22 እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እዚኣተን ፍትሒ ዚወጸለን መዓልትታት* እየን። 23 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን።+ ከመይሲ፡ ኣብታ ምድሪ ብርቱዕ ጭንቂ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ ቍጥዓ ኪኸውን እዩ። 24 ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኵሎም ኣህዛብ እውን ኪማረኹ እዮም፣+ ምዱብ ግዜያት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ የሩሳሌም ብኣህዛብ ክትርገጽ እያ።+ 25 “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ፡ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ፣+ ኣብ ምድሪ እውን ኣህዛብ ብሰንኪ ደሃይ ባሕርን ነውጹን መዋጽኦ ብዘይምፍላጦም፡ ኪጭነቑ እዮም። 26 ሓይልታት ሰማያት ኪናወጹ እዮም እሞ፡ ብፍርህን ብትጽቢት እቲ ኣብ ዓለም ዚመጽእን፡ ሰባት ውኖኦም ኪጠፍኦም እዩ። 27 ሽዑ፡ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡+ ኪርእይዎ እዮም።+ 28 እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ ግና፡ ድሕነትኩም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ በሉ፡ ርእስኹም እውን ኣልዕሉ።” 29 ከምዚ ኢሉ ድማ ሓንቲ ምሳሌ መሰለሎም፦ “ንኦም በለስን* ንዅሉ ኣእዋምን ተመልከቱ፦+ 30 ኪጥጥዕ ምስ ረኣኹም፡ ሓጋይ* ከም ዝቐረበ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 31 ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። 32 ኵሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 33 ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 34 “ምብዛሕ ብልዕን ምብዛሕ መስተን+ ጭንቀት ናብራን+ ንልብኹም ከይከብዶ እሞ፡ ብሃንደበት ከኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም መፈንጠራ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡+ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 35 ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ገጽ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩስ፡ ክትመጽእ እያ። 36 እምበኣር፡ ካብ ኵሉ እዚ ኪኸውን ዘለዎ ነገራት ምእንቲ ኸተምልጡን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ምእንቲ ኽትቈሙን፡+ ኵሉ ሳዕ እናተማህለልኩም+ ንቕሑ።”+ 37 መዓልቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ፣ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ደብረ ዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ከይዱ ይሓድር ነበረ። 38 ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኪሰምዖ ኢሉ፡ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ይመጽእ ነበረ። 15 ኵሎም ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ኪሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ።+ 2 ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፡ “እዝስ ንሓጥኣን ይቕበል፡ ምሳታቶም እውን ይበልዕ” ኢሎም ኣዕዘምዘሙ። 3 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ እዛ ምሳሌ እዚኣ መሰለሎም፦ 4 “ካባኻትኩምከ 100 ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ሓንቲ ኻባታተን ምስ ጠፍኣቶስ፡ ነተን 99 ኣብ በረኻ ሓዲጉ፡ ክሳዕ ዚረኽባ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብ እዩ፧+ 5 ምስ ረኸባ ኸኣ፡ ተሓጒሱ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። 6 ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ፡ ንኣዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓባር ጸዊዑ፡ ‘እታ ዝጠፍኣትኒ በጊዐይ ስለ ዝረኸብክዋ፡ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም።+ 7 ከምኡ ኸኣ፡ ንስሓ ኻብ ዘየድልዮም 99 ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ዝያዳ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡+ እብለኩም ኣለኹ። 8 “ወይስ ዓሰርተ ድራክማ* ዘለዋ እሞ፡ ሓንቲ ድራክማ* እንተ ጠፊኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ፡ ቤታ እውን ዘይትዅስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ እንታወይቲ ሰበይቲ እያ፧ 9 ምስ ረኸበታ ድማ፡ ንኣዳኖታታን ንጐረባብታን ጸዊዓ፡ ‘እታ ዝጠፍኣትኒ ድራክማይ* ስለ ዝረኸብክዋ፡ ምሳይ ተሓጐሳ’ ትብለን። 10 ከምኡ ኸኣ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ መንጎ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።”+ 11 ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ፡ ክልተ ደቂ ነበርዎ። 12 እቲ ንእሽቶ ኸኣ ንኣቦኡ፡ ‘ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት፡ እቲ ዚብጽሓኒ ግደ ሃበኒ’ በሎ። ንሱ ድማ ገንዘቡ መቐሎም። 13 ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብዝርጋን* ዘረዎ። 14 ዘለዎ ዅሉ ምስ ወድአ፡ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ፣ ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። 15 ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር ተጸግዐ፣ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ ኢሉ፡ ናብ መሬቱ ሰደዶ።+ 16 ካብቲ ሓሰማታት ዚበልዓኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ድማ ሃረር ይብል ነበረ፣ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። 17 “ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ‘ኣነ ኣብዚ ብጥሜት ክመውት ከለኹ፡ ክንደይ ዕሱባት ኣቦይ እንጌራ ይተርፎም ኣሎ! 18 ተንሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ “ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ። 19 ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ። ከም ሓደ ኻብ ዕሱባትካ ግበረኒ” ኽብሎ’ በለ። 20 ተንሲኡ ኸኣ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ፡ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፣ ጐይዩ ኸኣ፡ ሓኒቑ* ሰዓሞ። 21 እቲ ወዲ ድማ፡ ‘ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ።+ ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ’ በሎ። 22 ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ‘ቀልጥፉ! ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፣ ቀለቤት ኣብ ኢዱ፡ ኣሳእን እውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። 23 ስቡሕ ምራኽ ኣምጺእኩም ከኣ ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሓጐስ፣ 24 እዚ ወደይሲ ሞይቱ ነይሩ፡ ከም ብሓድሽ ህያው ኰይኑ፣+ ጠፊኡ ነይሩ እውን፡ ተረኺቡ እዩ’ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። 25 “እቲ ዓብዪ ወዱ ኸኣ ናብ ግራት ወፊሩ ነበረ፣ ተመሊሱ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ ድማ፡ ሙዚቃን ጓይላን ሰምዐ። 26 ንሓደ ኻብቶም ገላዉ ጸዊዑ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ሓተቶ። 27 ንሱ ኸኣ፡ ‘ሓውካ መጺኡ፡ ኣቦኻ ድማ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስቡሕ ምራኽ ሓሪዱሉ’ በሎ። 28 ንሱ ግና ኰረየ፡ ምእታው እውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። 29 ንሱ ድማ ንኣቦኡ፡ ‘እንሆ፡ ክንድዚ ዚኣክል ዓመታት ተገዚአካ፡ ካብ ትእዛዝካ እውን ከቶ ኣይሓለፍኩን፣ ግናኸ፡ ንዓይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። 30 እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምጽእ ምስ በለ ግና፡ ስቡሕ ምራኽ ሓሪድካሉ’ ኢሉ መለሰሉ። 31 ንሱ ኸኣ፡ ‘ወደየ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣለኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32 እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፡ ህያው ኰይኑ፣ ጠፊኡ ነይሩ እውን፡ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ’ በሎ።” 22 ፋስጋ+ ዚብሃል በዓል ቅጫ ድማ ይቐርብ ነበረ።+ 2 ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆምዎም ነበሩ እሞ፡+ ንዕኡ ዜጥፍኡሉ መገዲ ይደልዩ ነበሩ።+ 3 ሰይጣን ከኣ ናብቲ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ እተቘጽረ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል ይሁዳ ኣተወ፣+ 4 ንሱ እውን ከይዱ፡ ምስ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣሕሉቕ ቤተ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኣሕሊፉ ኸም ዚህቦም ተዛራረበ።+ 5 ንሳቶም ከኣ ደስ ኢልዎም ገንዘብ ብሩር ኪህብዎ ተሰማምዑ።+ 6 ንሱ እውን ተሰማምዖም፣ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ኣሕሊፉ ኺህቦ ኸኣ፡ ምሹእ ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ። 7 እታ መስዋእቲ ፋስጋ ኺሓርዱላ ዚግባእ መዓልቲ በዓል ቅጫ ድማ በጽሐት፣+ 8 የሱስ ከኣ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን፡ “ኪዱ፡ ክንበልዕሲ ፋስጋ ኣዳልዉልና” ኢሉ ለኣኾም።+ 9 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣበይ ከነዳሉ ትደሊ፧” በልዎ። 10 ንሱ ድማ፡ “እንሆ፡ ናብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብ ኪረኽበኩም እዩ። ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዓብዎ።+ 11 ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፡ ‘መምህርሲ፡ “እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧” ይብለካ ኣሎ’ በልዎ። 12 ንሱ ድማ ኣብ ደርቢ እተነጽፈ ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉ” በሎም። 13 ከይዶም ከኣ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፣ ንፋስጋ ዚኸውን እውን ኣዳለዉ። 14 እታ ሰዓት ምስ ኣኸለት፡ ምስቶም ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።+ 15 ከምዚ ድማ በሎም፦ “መከራ ቕድሚ ምጽጋበይ፡ እዚ ፋስጋ እዚ ምሳኻትኩም ክበልዕ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣለኹ፣ 16 እዚ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸምሲ፡ ደጊም እዚ ኣይክበልዕን እየ፡ እብለኩም ኣለኹ።” 17 ጽዋእ ተቐቢሉ ድማ፡ ኣመስጊኑ፡ “ነዚኣ ውሰድዋ እሞ፡ ተኻፈልዋ፣ 18 ካብ ሕጂ ንደሓር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእሲ፡ ካብ ፍረ ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ። 19 እንጌራ ኣልዒሉ+ ድማ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ “እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ+ ስጋይ ማለት እዩ።+ እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ ሃቦም።+ 20 ከምኡ ድማ፡ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ ኸምዚ በሎም፦ “እዛ ጽዋእ እዚኣ፡ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ+ ደመይ+ ዚግበር ሓድሽ ኪዳን ማለት እያ።+ 21 “ኢድ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ግና፡ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ።+ 22 ወዲ ሰብ ከምቲ እተመደበሉ ኪኸይድ እዩ፣+ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ ግና ወይለኡ!”+ 23 መን ካባታቶም እዚ ኸም ዚገብር ከኣ፡ ኪመያየጡ ጀመሩ።+ 24 ግናኸ፡ መኖም ዝዓበየ ኸም ዝዀነ እውን፡ ኣብ መንጎኦም ብርቱዕ ክርክር ኰነ።+ 25 ንሱ ግና ከምዚ በሎም፦ “ንኣህዛብ፡ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፣ ሰበ ስልጣናቶም ከኣ ገበርቲ ሰናይ ይብሃሉ።+ 26 ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ።+ እቲ ኣባኻትኩም ዝዓበየ ኸም ዝነኣሰ፡+ እቲ ዚመርሕ እውን ከም ኣገልጋሊ ይኹን። 27 ኣየናዮም ይዓቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥዶ ወይስ እቲ ዜገልግል፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ መንጎኹም ከም ኣገልጋሊ እየ።+ 28 “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ+ ምሳይ ዝጸናዕኩም ኢኹም፣+ 29 ከምቲ ኣቦይ ምሳይ ኪዳን ዝገበረ፡ ኣነ እውን ምሳኻትኩም ኪዳን መንግስቲ እገብር ኣለኹ፣+ 30 እዚ ድማ ኣብ መንግስተይ፡ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡+ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም+ ከኣ ን12 ነገዳት እስራኤል ምእንቲ ኽትፈርዱ እዩ።+ 31 “ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሓሕየኩም ሓቲቱ እዩ።+ 32 ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ተማህሊለ፣+ ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ንኣሕዋትካ ኣበራትዓዮም።”+ 33 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣነስ ናብ ማእሰርቲ ዀነ ናብ ሞት፡ ምሳኻ ክኸይድ ተዳልየ ኣለኹ” በሎ።+ 34 ንሱ ግና፡ “ጴጥሮስ፡ ‘ኣይፈልጦን እየ’ ኢልካ ሰለስተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኣይኪንቁን እዩ፡ እብለካ ኣለኹ” በሎ።+ 35 “ብዘይ ማሕፉዳን ለቘታ ስንቅን ኣሳእንን ምስ ሰደድኩኹም፡+ ገለዶ ጐዲሉኩም እዩ፧” እውን በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ገለ እኳ” በሉ። 36 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘለዎ ይማላእ፡ ለቘታ ስንቂ እውን ከምኡ፣ ሰይፊ ዘይብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ይዓድግ። 37 እቲ፡ ‘ምስ ጠሓስቲ ሕጊ ተቘጺሩ’ ዚብል ጽሑፍሲ ኣባይ ኪፍጸም ኣለዎ።+ እቲ ብዛዕባይ እተባህለስ፡ ይፍጸም ኣሎ።”+ 38 ንሳቶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ይኣክል” በሎም። 39 ወጺኡ ኸኣ ከም ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እውን ሰዓብዎ።+ 40 ናብታ ቦታ ምስ በጽሐ፡ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ብቐጻሊ ጸልዩ” በሎም።+ 41 ንሱ ባዕሉ ኸኣ፡ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ 42 “ኣቦ፡ እንተ ፈቲኻስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ከም ፍቓድካ እምበር፡ ከም ፍቓደይ ኣይኹን።”+ 43 ካብ ሰማይ ከኣ መልኣኽ ተራእዮ፡ ኣበርትዖ እውን።+ 44 ብዙሕ ይሳቐ ብምንባሩ ኸኣ፡ ብዝያዳ ኣጽኒዑ ይጽሊ ነበረ፣+ ረሃጹ ድማ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። 45 ካብ ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብ ጓሂ እተላዕለ ብምድካሞም ተታኺሶም ረኸቦም።+ 46 ንሱ ድማ፡ “ስለምንታይ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ብቐጻሊ ጸልዩ” በሎም።+ 47 ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ህዝቢ መጸ፣ እቲ ይሁዳ ዚብሃል ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፣ ንየሱስ እውን ኪስዕሞ ቐረበ።+ 48 የሱስ ግና፡ “ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብ ብምስዓም ኣሕሊፍካዶ ትህቦ ኣለኻ፧” በሎ። 49 እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ፡ እቲ ዚኸውን ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ “ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧” በልዎ። 50 ሓደ ኻባታቶም እሞ ኸኣ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ።+ 51 የሱስ ግና፡ “ይኣክል” ኢሉ መለሰ። እዝኑ ተንክዩ እውን ኣሕወዮ። 52 ሽዑ፡ የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣሕሉቕ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም መጺእኩም፧+ 53 መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡+ ክትሕዙኒ ኢልኩም ኣእዳውኩም ኣይዘርጋሕኩምን።+ እዚኣ ግና ሰዓትኩምን ስልጣን ጸልማትን እያ” በሎም።+ 54 ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡+ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናት እውን ኣምጽእዎ፣ ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ።+ 55 ኣብ ማእከል እቲ ኣጸድ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓባር ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ መንጎኦም ተቐሚጡ ነበረ።+ 56 ሓንቲ ገረድ ከኣ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፡ “እዚ እውን ምስኡ ነይሩ እዩ” በለት። 57 ንሱ ግና፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ኸሓደ። 58 ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፡ “ንስኻ እውን ሓደ ኻባታቶም ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ግና፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይኰንኩን” በለ።+ 59 ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ፡ ሓደ ኻልእ፡ “ገሊላዊ እዩ እሞ፡ እዚ እውን ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ” ኢሉ ኣትሪሩ ተዛረበ። 60 ጴጥሮስ ግና፡ “ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘለኻ ኣይፈልጦን እየ” በለ። ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ብቕጽበት ደርሆ ነቀወ። 61 ጐይታ ድማ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ፣ ጴጥሮስ ከኣ፡ “ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ኢሉ ጐይታ እተዛረቦ ዘከረ።+ 62 ናብ ወጻኢ ኸይዱ እውን፡ ኣምሪሩ በኸየ። 63 እቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ሰብኡት ድማ፡ እናወቕዑ+ ኣላገጹሉ፣+ 64 ገጹ ምስ ኣጐልበብዎ ኸኣ፡ “እስከ ተነበ! መን እዩ ወቒዑካ፧” ኢሎም ይሓትትዎ ነበሩ። 65 ብዙሕ ካልእ ጸርፊ እውን ጸረፍዎ። 66 መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ዓበይቲ ህዝቢ፡ ማለት ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣከቡ፣+ ናብ ዋዕላኦም ወሲዶም፡ 67 “ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንገረና” በልዎ።+ ንሱ ኸኣ፡ “እንተ ነጊረኩም እኳ፡ ከቶ ኣይትኣምኑን ኢኹም። 68 እንተ ሓቲተኩም ድማ፡ ከቶ ኣይትምልሱን ኢኹም። 69 ካብ ሕጂ ንደሓር ግና፡ ወዲ ሰብ+ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ” በሎም።+ 70 ኵላቶም ከኣ፡ “እምበኣር፡ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣለኹም” በሎም። 71 ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕና ባዕላትና ኻብ ኣፉ ኻብ ሰማዕና፡ ደጊም ንምንታይ ምስክር የድልየና፧” በሉ።+ 17 የሱስ እዚ ተዛሪቡ፡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦ፡ እታ ሰዓት ኣኺላ እያ። ወድኻ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ፣+ 2 ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ* ስልጣን ዝሃብካዮ እውን፡+ ንዅሎም እቶም ዝሃብካዮ+ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ።+ 3 በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን+ ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡*+ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።+ 4 ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡+ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ ኣለኹ።+ 5 ኣቦ፡ ሕጂ ኸምቲ ዓለም ከይኰነት ምሳኻ ኸለኹ ዝነበረኒ ኽብሪ፡ ምሳኻ ጌርካ ኣኽብረኒ።+ 6 “ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ኣግሂደሎም* ኣለኹ።+ ናትካ እዮም ነይሮም፡ ንዓይ ከኣ ሂብካኒ፡ ቃልካ እውን ሓልዮም* እዮም። 7 ኵሉ እቲ ዝሃብካኒ፡ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈሊጦም እዮም፣ 8 ከመይሲ፡ እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሂበዮም እየ፡+ ንሳቶም እውን ተቐቢሎምዎ እዮም፣ ኣነ ወኪልካ ዀይነ ኸም ዝመጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈሊጦም እዮም፣+ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ እውን ኣሚኖም እዮም።+ 9 ኣነ ምእንታኦም እልምን እየ፣ ንሳቶም ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። 10 ኵሉ እቲ ናተይ ከኣ፡ ናትካ እዩ፣ እቲ ናትካ ድማ፡ ናተይ እዩ፣+ ኣነ እውን ኣብ መንጎኦም ከቢረ እየ። 11 “ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፣ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፣+ ኣነ እውን ናባኻ እመጽእ ኣለኹ። ቅዱስ ኣቦ፡ ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና፡* ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡*+ ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓልዎም።+ 12 ኣነ ምሳታቶም ከለኹ፡ ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ እሕልዎም ነይረ፣+ ስለ ዘዕቈብክዎም ከኣ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡+ ብዘይካ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡+ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይጠፍአን።+ 13 ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣለኹ፣ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እዚ ኣብ ዓለም እብል ኣለኹ።+ 14 ቃልካ ሂበዮም ኣለኹ፣ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ስለ ዘይኰኑ፡ ዓለም ጸሊኣቶም እያ።+ 15 “ካብቲ እኩይ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ።+ 16 ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡+ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።+ 17 በቲ ሓቂ ቐድሶም፣*+ ቃልካ ሓቂ እዩ።+ 18 ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፡ ኣነ እውን ናብ ዓለም ልኢኸዮም እየ።+ 19 ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ምእንታኦም ርእሰይ እቕድስ ኣለኹ። 20 “ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ እውን እምበር፡ ምእንቲ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ፣ 21 እዚ ኸኣ ከምቲ ንስኻ፡ ኦ ኣቦ፡ ምሳይ ሓድነት ዘሎካ፡ ኣነ እውን ምሳኻ ሓድነት ዘሎኒ፡+ ንሳቶም እውን ምሳና ሓድነት ኪህልዎም እሞ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ እዩ፣+ በዚ ኸምዚ፡ ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ትኣምን። 22 ከምቲ ንሕና ሓደ ዝዀንና ኸኣ፡ ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሂበዮም ኣለኹ።+ 23 ፍጹም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ* እሞ፡ ዓለም ከምቲ ንዓይ ዘፍቀርካኒ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካንን ከም ዘፍቀርካዮምን ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ኣሎኒ፡ ንስኻ እውን ምሳይ ሓድነት ኣሎካ። 24 ኣቦ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ንስኻ ዝሃብካኒ እውን ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡+ ኣብቲ ዘለኽዎ ምሳይ ኪዀኑ እደሊ ኣለኹ።+ 25 ጻድቕ ኣቦ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፣+ ኣነ ግና እፈልጠካ እየ፣+ እዚኣቶም እውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። 26 እታ ንዓይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትህሉን ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ምእንቲ ኺህልወንን፡+ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ።”+ 18 የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ስፍራ ኣታኽልቲ ዘለዋ ኣብ ስግር ስንጭሮ* ቄድሮን+ እትርከብ ቦታ ኸደ፣ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ እውን ናብኣ ኣተወ።+ 2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሳዕ ኣብኣ ይራኸብ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ እውን ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ። 3 ስለዚ፡ ይሁዳ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ዝሓዙ ጭፍራ ወተሃደራትን ገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መሪሑ መጸ።+ 4 ሽዑ፡ የሱስ ንዅሉ እቲ ዚመጾ ፈሊጡ፡ ንቕድሚት ሰጒሙ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። 5 ንሳቶም ከኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ”+ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ ኸኣ፡ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ።+ 6 ግናኸ፡ የሱስ፡ “ኣነ እየ” ምስ በሎም፡ ኣድሓርሓሩ፡ ናብ ምድሪ እውን ወደቑ።+ 7 ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” በሉ። 8 የሱስ ድማ፡ “‘ኣነ እየ’ ኢለ እኮ ነጊረኩም እየ። ንዓይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም። 9 እዚ ኸኣ እቲ፡ “ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን” ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ 10 ሽዑ፡ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ።+ ስም እቲ ባርያ፡ ማልኮስ ነበረ። 11 የሱስ ግና ንጴጥሮስ፡ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኣ ምለሳ።+ ነታ ኣቦይ ዝሃበኒ ጽዋእሲ፡ ክሰትያዶ ኣይግብኣንን እዩ፧” በሎ።+ 12 ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። 13 ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ+ ሓሙኡ ነበረ እሞ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ።+ 14 ቀያፋ ኸኣ እቲ ንኣይሁድ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚጠቕሞም ዝመኸሮም እዩ።+ 15 ስምኦን ጴጥሮስን ካልእ ወደ መዝሙርን ድማ ንየሱስ ይስዕብዎ ነበሩ።+ እቲ ወደ መዝሙር ብሊቀ ኻህናት ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፡ ምስ የሱስ ናብ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ኣተወ፣ 16 ጴጥሮስ ግና ኣብ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው ኢሉ ነበረ። ስለዚ፡ እቲ ብሊቀ ኻህናት ዚፍለጥ ዝነበረ ኻልእ ወደ መዝሙር ወጺኡ፡ ነታ ሓላዊት ማዕጾ ነጊሩ፡ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። 17 ሽዑ፡ እታ ገረድ፡ ማለት እታ ሓላዊት ማዕጾ፡ ንጴጥሮስ፡ “ንስኻ እውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣይኰንኩን” በለ።+ 18 ቍሪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ባሮትን እቶም ገላዉን ሓዊ ኣጕሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስ እውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። 19 ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ብዛዕባ ትምህርቱን ሓተቶ። 20 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ ንዓለም ብግህዶ እየ ተዛሪበያ። ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ዅሎም ኣይሁድ ዚእከቡሉ ምኵራብን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፣+ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን። 21 ስለምንታይ ንዓይ ትሓትተኒ ኣለኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ዝበልክዎ ይፈልጥዎ እዮም” ኢሉ መለሰሉ። 22 እዚ ምስ በለ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገላዉ፡ “ንሊቀ ኻህናትሲ ኸምዚ ኢልካ ኽትምልሰሉ፧” ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ።+ 23 የሱስ ከኣ፡ “ጌጋ እንተ ተዛሪበ፡ ጌጋ ምዃኑ መስክር፣ ቅኑዕ እንተ ተዛሪበ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ ኣለኻ፧” ኢሉ መለሰሉ። 24 ሽዑ፡ ሃና ናብ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ።+ 25 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “ንስኻ እውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኢኻ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይኰንኩን” ኢሉ ኸሓደ።+ 26 ሓደ ኻብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ዘመድ እቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾ፡+ “ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲዶ ምስኡ ኣይረኣኹኻን፧” በሎ። 27 ጴጥሮስ ግና ከም ብሓድሽ ከሓደ፣ ብኡብኡ እውን ደርሆ ነቀወ።+ 28 ሽዑ፡ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ ቤት እቲ ሹም ወሰድዎ።+ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ፡+ ናብ ቤት እቲ ሹም ኣይኣተዉን። 29 ስለዚ፡ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ እንታይ ክሲ ኣሎኩም፧” በሎም። 30 ንሳቶም ከኣ፡ “እዚ ገባር ክፉእ* እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን” ኢሎም መለሱሉ። 31 ስለዚ፡ ጲላጦስ፡ “ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከም ሕግኹም እውን ፍረድዎ” በሎም።+ ኣይሁድ ከኣ፡ “ንሓደ እኳ ኽንቀትል ኣይተፈቕደልናን” በልዎ።+ 32 እዚ ድማ፡ እቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ሞት ከም ዚመውት ኬመልክት ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ 33 ጲላጦስ ከኣ ናብ ቤት ሹም ኣተወ፣ ንየሱስ ጸዊዑ ድማ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” በሎ።+ 34 የሱስ ከኣ፡ “ካብ ርእስኻ ዲኻ እዚ እትብል ዘለኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ። 35 ጲላጦስ ድማ፡ “ኣነዶ ኣይሁዳዊ እየ፧ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዮም ናባይ ኣሕሊፎም ሂቦምኻ። እንታይ ኢኻ ጌርካ፧” ኢሉ መለሰ። 36 የሱስ ከኣ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።+ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ፡ ንኣይሁድ ከይውሃብ፡ ገላዎይ ምተጋደሉለይ ነይሮም።+ ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ መለሰ።+ 37 ጲላጦስ ድማ፡ “እምበኣር፡ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ።+ ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንቲ እዚ ተወሊደ፡ ምእንቲ እዚ እውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ።+ ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ፡ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰ። 38 ጲላጦስ ድማ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” በሎ። እዚ ምስ በለ፡ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን።+ 39 ብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም እውን ልምዲ ኣሎኩም።+ እምበኣርሲ፡ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧” በሎም። 40 ሽዑ፡ ከም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፡ “ንበርባን ደኣ እምበር፡ ነዝስ ኣይፋልን!” በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ።+ 19 ሽዑ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ።+ 2 እቶም ወተሃደራት ከኣ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፣ ጁዅ ዝሕብሩ ወለል ዚብል ክዳን እውን ከደንዎ፣+ 3 ናብኡ መመጺኦም ድማ፡ “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ” ይብልዎን ይጸፍዕዎን ነበሩ።+ 4 ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ “ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ አውጽኣልኩም ኣለኹ” በሎም።+ 5 ሽዑ፡ የሱስ ኣኽሊል እሾዅ ደፊኡን ጁዅ ዝሕብሩ ወለል ዚብል ክዳን ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፡ “እንሆ፡ እቲ ሰብኣይ!” በሎም። 6 ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣሕሉቕን ምስ ረኣይዎ ግና፡ “ስቐሎ! ስቐሎ!”+ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን እሞ፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ” በሎም።+ 7 ኣይሁድ ድማ፡ “ንሕና ሕጊ ኣሎና፣ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ ኸኣ፡+ ብመሰረት እቲ ሕጊ ኺመውት ይግብኦ እዩ”+ ኢሎም መለሱሉ። 8 ጲላጦስ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዝያዳ ፈርሀ፣ 9 ከም ብሓድሽ ናብ ቤት ሹም ኣተወ እሞ፡ ንየሱስ፡ “ካበይ ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን።+ 10 ጲላጦስ ከኣ፡ “ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክፈትሓካ ስልጣን ከም ዘሎንን ክሰቕለካ ስልጣን ከም ዘሎንን ኣይትፈልጥን ዲኻ፧” በሎ። 11 የሱስ ድማ፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሃበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዚ እዩ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ ሰብ፡ ዝዓበየ ሓጢኣት ዘለዎ” ኢሉ መለሰሉ። 12 ስለዚ፡ ጲላጦስ ኪፈትሖ መገዲ ይደሊ ነበረ። ኣይሁድ ግና፡ “ነዚ እንተ ፈቲሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዅሉ፡ ንቄሳር ይጻረሮ እዩ” ኢሎም ጨደሩ።+ 13 ጲላጦስ ነዚ ቓላት እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብታ እምኒ እተነጽፋ፡ ብእብራይስጢ ድማ ገበታ፡ እትብሃል ቦታ ኣብ ዚርከብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14 መዓልቲ ምድላው+ ፋስጋ ኸኣ ነበረ፣ ኣስታት ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣቢላ ድማ ነበረት። ንኣይሁድ ከኣ፡ “እንሆ፡ ንጉስኩም!” በሎም። 15 ንሳቶም ግና፡ “ንየው በሎ! ንየው በሎ! ስቐሎ!” ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፡ “ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፧” በሎም። ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ፡ “ብዘይካ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ። 16 ሽዑ፡ ኪሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም።+ ንሳቶም ድማ ንየሱስ ወሰድዎ። 17 ጕንዲ ስቅያቱ ጾይሩ፡ ቦታ ቐረንቀራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ፡+ ናብ እትብሃል ቦታ ወጸ።+ 18 ኣብኣ ኸኣ ሰቐልዎ፣+ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ሰቐሉ፣ ንየሱስ እውን ኣብ ማእከሎም ሰቐልዎ።+ 19 ጲላጦስ ድማ ጽሑፍ ጽሒፉ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት* ኣንበሮ። “የሱስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ” ዚብል ተጻሒፉ ነበረ።+ 20 እታ የሱስ እተሰቕለላ ቦታ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ፣ ብእብራይስጥን ብላቲንን ብግሪኽኛን ድማ ተጻሒፉ ነበረ። 21 ግናኸ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ “ንሱ፡ ‘ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ’ ኸም ዝበለ እምበር፡ ‘ንጉስ ኣይሁድ’ ኢልካስ ኣይትጽሓፍ” በልዎ። 22 ጲላጦስ ከኣ፡ “ዝጸሓፍክዎ ጽሒፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። 23 እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ገግዲኡ ምእንቲ ኺበጽሖ፡ ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፣ ነቲ ቐምሹ እውን ኣልዓልዎ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። 24 ስለዚ፡ ንሓድሕዶም፡ “ንዝበጽሐ ኺበጽሖስ ዕጫ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ” ተባሃሃሉ።+ እዚ ኸኣ እቲ፡ “ንኽዳውንተይ ተማቒሎምዎ፡ ንቐምሸይ እውን ዕጫ ኣውዲቖምሉ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ እቶም ወተሃደራት ከኣ እዚ ገበሩ። 25 ኣብ ጥቓ ጕንዲ ስቅያት* የሱስ ከኣ፡ ኣዲኡን+ ሓብቲ እኖኡን ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።+ 26 የሱስ ድማ ንኣዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርን+ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረኣዮም፡ ንኣዲኡ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ” በላ። 27 ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፡ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ። እቲ ወደ መዝሙር እውን፡ ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። 28 ድሕርዚ፡ የሱስ ኵሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም፡ “ጸሚአ” በለ።+ 29 ኣብኡ መጺጽ ወይኒ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ሽዑ፡ መጺጽ ወይኒ ዝመልአ ሰፍነግ ኣብ ቃንጫ ሃዛብ* ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።+ 30 የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ወይኒ ምስ ጠዓሞ፡ “ተፈጺሙ!” በለ፣+ ርእሱ ምስ ኣድነነ፡ መንፈሱ ኣሕሊፉ ሃበ።*+ 31 መዓልቲ ምድላው ስለ ዝነበረት፡+ (እታ መዓልቲ ሰንበት እቲኣ ኸኣ ዓባይ ስለ ዝነበረት፡)+ እቲ ሬሳታት ኣብ ጕንዲ ስቅያት ምእንቲ ኸይሓድር፡+ ኣእጋሮም ሰይሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32 ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት መጺኦም ኣእጋር እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ። 33 ናብ የሱስ ምስ መጹ ግና፡ ድሮ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ ኣእጋሩ ኣይሰበርዎን። 34 ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና፡ ጐድኑ ብዂናት ወግኦ፣+ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። 35 እቲ ነዚ ዝረኣየ ድማ መስከረ፣ ምስክሩ ኸኣ ሓቂ እዩ፣ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ንሱ ሓቂ ኸም ዝነገረ ይፈልጥ እዩ።+ 36 እቲ፡ “ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪስበርን እዩ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ።+ 37 ካልእ ቅዱስ ጽሑፍ እውን፡ “ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምትዎ እዮም” ይብል።+ 38 ድሕርዚ፡ እቲ ንኣይሁድ ብምፍራሁ+ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ንጲላጦስ፡ ሬሳ የሱስ ኪወስድ ለመኖ፣ ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ፡ ከይዱ ነቲ ሬሳ ወሰዶ።+ 39 እቲ ቕድም ብለይቲ ዝመጸ ኒቆዲሞስ+ እውን ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ* ዚኣክል ሕዋስ* ከርበን ዓልወን ሒዙ መጸ።+ 40 ሬሳ የሱስ ወሲዶም ድማ፡ ከምቲ ኣይሁድ ንቐብሪ ንምድላው ዝነበሮም ልምዲ፡ ሽቱ ገይሮም ብበፍታ ገነዝዎ።+ 41 ብኣጋጣሚ፡ ኣብታ እተሰቕለላ ቦታ ስፍራ ኣታኽልቲ ነበረ፣ ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸኣ ሓደ እኳ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ።+ 42 መዓልቲ ምድላው+ ኣይሁድ ቀሪባ ስለ ዝነበረት፡ እቲ መቓብር ከኣ ቀረባ ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ። 20 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ማርያም መግደላዊት ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፣+ እቲ እምኒ ኻብቲ መቓብር ተኣልዩ ኸኣ ረኣየት።+ 2 ስለዚ፡ ጐይያ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዚፈትዎ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፡+ “ንጐይታና ኻብቲ መቓብር ወሲዶምዎ፡+ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ድማ ኣይንፈልጥን ኢና” በለቶም። 3 ሽዑ፡ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ወደ መዝሙርን ናብቲ መቓብር ከዱ። 4 ክልቲኦም ብሓንሳእ ጐየዩ፣ እቲ ኻልእ ወደ መዝሙር ግና ብፍጥነት ጐይዩ ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብር እውን ቅድም በጽሐ። 5 ድንን ምስ በለ ኸኣ፡ እቲ በፍታ ተነቢሩ ረኣየ፣+ ግናኸ፡ ኣይኣተወን። 6 ሽዑ፡ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ። ነቲ በፍታ ኸኣ ተነቢሩ ረኣዮ። 7 እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ጨርቂ ኸኣ፡ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ ኻልእ መግነዝ ኣይነበረን። 8 ሽዑ፡ እቲ ቕድም ናብቲ መቓብር ዝበጽሐ ኻልእ ወደ መዝሙር እውን ኣተወ፣ ርእዩ ድማ ኣመነ። 9 ከመይሲ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፍ ገና ኣይተረድእዎን ነበሩ።+ 10 ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነናብ ቤቶም ተመልሱ። 11 ማርያም ግና ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ክትርኢ ናብቲ መቓብር ድንን በለት፣ 12 ጻዕዳ እተኸድኑ ኽልተ መላእኽቲ ኣብቲ ሬሳ የሱስ ዝነበሮ ቦታ፡ ሓደ ብትርኣስ፡ ሓደ ኸኣ ብትርጋጽ ተቐሚጦም ረኣየት።+ 13 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧” በልዋ። ንሳ ድማ፡ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፣ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን እየ” በለቶም። 14 እዚ ምስ በለት፡ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ፡ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ፣ የሱስ ምዃኑ ግና ኣየለለየቶን።+ 15 የሱስ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ስለምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ፧ ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ፧” በላ። ንሳ ድማ ኣታኽልተኛ መሲልዋ፡ “ጐይታይ፡ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” በለቶ። 16 የሱስ ከኣ፡ “ማርያም!” በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፡ “ረቡኒ!” (“መምህር!” ማለት እዩ) በለቶ። 17 የሱስ ከኣ፡ “ገና ናብ ኣቦ ኣይዓረግኩን እሞ፡ ኣይትሓዝኒ። ግናኸ፡ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡+ ‘ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን፡ ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን+ እዓርግ ኣለኹ’ በልዮም”+ በላ። 18 ማርያም መግደላዊት ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ንጐይታ ርእየዮ!” በለቶም። እቲ ዝበላ እውን ነገረቶም።+ 19 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኣይሁድ ብምፍራሆም መዓጹ ተሸጒሩ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” በሎም።+ 20 እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም።+ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ፡ ንጐይታ ርእዮምዎ ተሓጐሱ።+ 21 ሽዑ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን።+ ከምቲ ኣቦ ንዓይ ዝለኣኸኒ፡+ ኣነ እውን ንዓኻትኩም እልእከኩም ኣለኹ” በሎም።+ 22 እዚ ምስ በለ፡ ኡፍ በለሎም እሞ፡ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።+ 23 ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም፡ ተሓዲጉሎም፣ ንዝሓዝኩምሎም ከኣ፡ ተታሒዙሎም እዩ” በሎም። 24 እቲ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ዝዀነ ማንታ ዚብሃል ቶማስ ግና፡+ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን። 25 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ “ንጐይታ ርኢናዮ!” በልዎ። ንሱ ግና፡ “ኣሰር እቲ መሳምር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርእየ፡ ኣጻብዐይ ድማ ኣብቲ ኣሰር እቲ መሳምር እንተ ዘየእትየ፡ ኣብ ጐድኑ እውን ኢደይ እንተ ዘየእትየ፡+ ከቶ ኣይኣምንን እየ” በሎም። 26 ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ቤት ነበሩ፣ ቶማስ እውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጒሩ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” በሎም።+ 27 ድሕሪኡ፡ ንቶማስ፡ “ኣጻብዕካ ኣብዚ ግበር፡ ኣእዳወይ ከኣ ርአ፣ ኢድካ እውን ናብ ጐድነይ ኣእቱ፣ እመን እምበር፡ ደጊም ኣይትጠራጠር”* በሎ። 28 ቶማስ ከኣ፡ “ጐይታይን ኣምላኸይን!” ኢሉ መለሰ። 29 የሱስ ድማ፡ “ስለ ዝረኣኻኒዶ ኣሚንካ፧ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ሕጉሳት እዮም” በሎ። 30 የሱስሲ ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ትእምርትታት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገይሩ እዩ።+ 31 ግናኸ፡ የሱስ ብሓቂ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩም እውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።+ 3 ካብቶም ፈሪሳውያን፡ ኒቆዲሞስ+ ዝስሙ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። 2 ንሱ ብለይቲ ናብኡ መጺኡ፡+ “መምህር፡*+ ብዘይካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ፡+ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ትእምርትታት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኢና” በሎ።+ 3 የሱስ ድማ፡ “ሰብ ዳግም እንተ ዘይተወሊዱ፡*+ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ኣይክእልን እዩ፡+ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። 4 ኒቆዲሞስ ከኣ፡ “ሰብ ምስ ኣረገኸ፡ ከመይ ኢሉ ኺውለድ ይኽእል፧ ካልኣይ ሳዕ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ፡ ኪውለድዶ ይኽእል እዩ፧” በሎ። 5 የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሰብ ካብ ማይን+ ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወሊዱ፡+ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ። 6 ካብ ስጋ እተወልደ፡ ስጋ እዩ፣ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ፡ መንፈስ እዩ። 7 ‘ዳግም ክትውለዱ ኣሎኩም’ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። 8 ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፣ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፣ ካበይ ከም ዚመጽእን ናበይ ከም ዚኸይድን ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ” ኢሉ መለሰ።+ 9 ኒቆዲሞስ ከኣ፡ “እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧” ኢሉ መለሰሉ። 10 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ንስኻ መምህር እስራኤል ክነስኻስ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ 11 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ እውን ንምስክር ኢና፣ ነቲ እንምስክሮ ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። 12 ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ እንተ ነጊረኩም ደኣ ኸመይ ጌርኩም ክትኣምኑ ኢኹም፧ 13 ብዘይካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ+ ወዲ ሰብ ድማ፡ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን።+ 14 ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ ኸኣ፡+ ወዲ ሰብ ኪስቀል ኣለዎ፣+ 15 ከምኡ ዚኸውን ድማ፡ ብእኡ ዚኣምን ኵሉ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እዩ።+ 16 “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን* ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡+ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።+ 17 ኣምላኽ ንወዱ፡ ንዓለም ኪፈርዳ ዘይኰነስ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን ኢሉ እዩ ናብ ዓለም ዝለኣኾ።+ 18 እቲ ብእኡ ዚኣምን፡ ኣይፍረዶን።+ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።+ 19 ንፍርዲ መሰረት ዚኸውን ከኣ እዚ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መጺኡ ኣሎ፣+ ሰባት ግና ግብሮም እኩይ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት እዮም ፈትዮም። 20 እቲ ኽፉእ ዚገብርሲ፡ ብርሃን ይጸልእ እዩ፣ ግብሩ ምእንቲ ኸይቅላዕ ከኣ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን እዩ። 21 እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ግብሩ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኸም እተገብረ ምእንቲ ኺግሃድ፡ ናብ ብርሃን ይመጽእ እዩ።”+ 22 ድሕርዚ፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ገጠራት ይሁዳ ኸደ፣ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ጸንሐ፡ የጥምቕ እውን ነበረ።+ 23 ዮሃንስ ግና ኣብ ሄኖን፡ ኣብ ጥቓ ሳሊም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፣+ ሰባት ከኣ ይመጹን ይጥመቑን ነበሩ፣+ 24 ክሳዕ ሽዑ ዮሃንስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይተደርበየን ነበረ።+ 25 ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ድማ ምስ ሓደ ኣይሁዳዊ፡ ብዛዕባ ምንጻህ፡ ክርክር ኣልዓሉ። 26 ናብ ዮሃንስ መጺኦም ከኣ፡ “መምህር፡* እቲ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፡ ንስኻ እውን ዝመስከርካሉ፡+ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ” በልዎ። 27 ዮሃንስ ከኣ፡ “ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋሂብዎስ፡ ሓንቲ እኳ ኪቕበል ኣይክእልን እዩ። 28 ‘ኣነ ቐቅድሚኡ እተለኣኽኩ እምበር፡+ ክርስቶስ ኣይኰንኩን’ ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም።+ 29 እቲ መርዓት ዘላቶ፡ መርዓዊ እዩ።+ ዓርኪ መርዓዊ ግና ደው ኢሉ ንዕኡ ምስ ዚሰምዖ፡ ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ እዩ። ስለዚ፡ ሓጐሰይ ምሉእ ኰይኑ ኣሎ። 30 ንሱ ኺውስኽ፡ ኣነ ግና ክንኪ ኣሎኒ” ኢሉ መለሰ። 31 እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ፡+ ልዕሊ ዅሉ እዩ። እቲ ኻብ ምድሪ ዝዀነ፡ ምድራዊ እዩ፣ ናይ ምድሪ እውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ፡ ልዕሊ ዅሉ እዩ።+ 32 ንምስክሩ ዚቕበሎ የልቦን እምበር፡+ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር።+ 33 እቲ ንምስክሩ እተቐበለ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሓተመ።*+ 34 ከመይሲ፡ ኣምላኽ መንፈሱ ቘጢቡ* ኣይህብን እዩ እሞ፡ እቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ ዚነግር።+ 35 ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ፡+ ኵሉ ድማ ኣብ ኢዱ ሃቦ።+ 36 እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣+ እቲ ንወዲ ዘይእዘዞ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡+ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።+ 7 ድሕርዚ፡ የሱስ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ይሁዳ ኺዘውር ኣይደለየን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ።+ 2 እቲ ኣይሁድ ዜብዕልዎ በዓል ዳስ+ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 3 ኣሕዋቱ ኸኣ፡+ “ደቀ መዛሙርትኻ እውን እትገብሮ ግብርታትካ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ካብዚ ሓሊፍካ ናብ ይሁዳ ኺድ። 4 ብግህዶ ኺፍለጥ እናደለየስ ብሕቡእ ገለ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን። እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ኣግህድ” በልዎ። 5 ሽዑ፡ ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ።+ 6 የሱስ ከኣ፡ “ግዜይ ገና ኣይኣኸለን፣+ ግዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ። 7 ዓለም ንዓኻትኩም እትጸልኣሉ ምኽንያት የብላን፣ ንዓይ ግና ግብርታታ እከይ ምዃኑ ስለ ዝምስክር፡ ትጸልኣኒ እያ።+ 8 ንስኻትኩም ናብቲ በዓል ደይቡ፣ ኣነስ ግዜይ ገና ስለ ዘይኣኸለ፡ ናብዚ በዓል እዚ ገና ኣይድይብን እየ” በሎም።+ 9 እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣብ ገሊላ ጸንሐ። 10 ኣሕዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ ግና፡ ሽዑ ንሱ እውን ብግህዶ ዘይኰነስ፡ ብሕቡእ ደየበ። 11 ኣይሁድ ከኣ ኣብቲ በዓል፡ “ኣበይ ኣሎ ንሱ፧” እናበሉ ደለይዎ። 12 እቶም ህዝቢ ድማ ብዛዕባኡ ብዙሕ ጕርምርም ይብሉ ነበሩ። ገሊኣቶም፡ “ሕያዋይ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ከኣ፡ “ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት ኣሎ” ይብሉ ነበሩ።+ 13 ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ ኣይነበረን።+ 14 ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል፡ የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ መሃረ። 15 ስለዚ፡ ኣይሁድ፡ “እዝስ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ* ኸይተማህረ፡+ ከመይ ገይሩ ቕዱሳት ጽሑፋት ይፈልጥ፧”*+ ኢሎም ተገረሙ። 16 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።+ 17 ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡+ ወይስ ካብ ርእሰይ እዛረብ እንተ ኣልየ፡ ኪፈልጥ እዩ። 18 እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ፡ ክብሪ ርእሱ እዩ ዚደሊ፣ እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡+ ንሱ ሓቀኛ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ዓመጻ የልቦን። 19 ሙሴዶ ሕጊ ኣይሃበኩምን፧+ ካባኻትኩም ግና ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚእዘዞ የልቦን። ስለምንታይ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፧”+ 20 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ጋኔን ኣሎካ። መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ፧” ኢሎም መለሱሉ። 21 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ ግብሪ ገይረ እየ፣ ኵላትኩም ከኣ ተገሪምኩም ኢኹም። 22 ምእንቲ እዚ እዩ ሙሴ ግዝረት ሰሪዑልኩም፡+—እዚ እኳ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር፡ ካብ ሙሴ ኣይኰነን፡+—ንስኻትኩም ከኣ ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ ኣለኹም። 23 ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ፡ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት ስለ ዘጥዓኽዎዶ ትንድሩ ኣለኹም፧+ 24 ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ደጊም ደጋዊ ትርኢት ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”+ 25 ስለዚ፡ ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም፡ “እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ እዚ ደይኰነን፧+ 26 እንሆ ኸኣ፡ ብግህዶ ይዛረብ ኣሎ፡ ንሳቶም እውን ገለ ኣይብልዎን። ኣሕሉቕ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧ 27 ግናኸ፡ እዚ ኻበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፣+ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን” በሉ። 28 የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ ኸኣ፡ ዓው ኢሉ፡ “ንዓይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይ እውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን፣+ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ናይ ሓቂ እዩ፡ ንስኻትኩም እውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።+ 29 ኣነ ናቱ ወኪል ስለ ዝዀንኩ፡ ንሱ እውን ስለ ዝለኣኸኒ፡ እፈልጦ እየ” በለ።+ 30 ስለዚ፡ ኪሕዝዎ ደለዩ፣+ ግዜኡ ገና ስለ ዘይኣኸለ ግና፡ ኢዱ ዘልዓለሉ ኣይነበረን።+ 31 ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብእኡ ኣመኑ፣+ “ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ዚበዝሕ ትእምርትታትዶ ኺገብር ኰይኑ፧” እውን ይብሉ ነበሩ። 32 ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ኬጕረምርሙ ኸለዉ ሰምዑ፣ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላዉኦም ለኣኹ። 33 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ናብቲ ዝለኣኸኒ ኽሳዕ ዝኸይድ፡ ገና ቝሩብ እዋን ምሳኻትኩም እየ።+ 34 ክትደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፣ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸኣ ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በለ።+ 35 ስለዚ፡ ኣይሁድ ንሓድሕዶም፡ “ንሕና ዘይንረኽቦስ፡ እዚ ናበይ ኰን እዩ ኪኸይድ ሓሊኑ፧ ናብቶም ኣብ መንጎ ግሪኻውያን ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድ ደዀን ኪኸይድ እሞ፡ ንግሪኻውያን ኪምህር ሓሊኑ፧ 36 ‘ክትደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፣ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸኣ ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዚብሎ ዘረባኸ እንታይ ማለት እዩ፧” ተባሃሃሉ። 37 በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ፡ በታ ዓባይ መዓልቲ በዓል፡+ የሱስ ደው ኢሉ ኸምዚ ኢሉ ጨደረ፦ “ዝጸምአ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ።+ 38 ብኣይ ዚኣምን፡ ከምቲ ቕዱስ ጽሑፍ ዚብሎ፡ ‘ካብ ውሽጡ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።’”+ 39 የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ፡+ መንፈስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባ እቲ እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ ዝበለ።+ 40 ገለ ኻብቶም እዚ ቓላት እዚ ዝሰምዑ ህዝቢ፡ “እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ” በሉ።+ 41 ካልኦት እውን፡ “እዚ ክርስቶስ እዩ” ይብሉ ነበሩ።+ ገሊኣቶም ግና፡ “ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧+ 42 እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡+ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ቝሸት ቤት-ልሄም+ ከም ዚመጽእ ደይኰነን ዚብል፧” ይብሉ ነበሩ። 43 ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ፡ ብዛዕባኡ ፍልልይ ኰነ። 44 ገሊኣቶም ግና ኪሕዝዎ ደለዩ፣ ብኣእዳዉ ዝተንከዮ ግና ኣይነበረን። 45 እቶም ገላዉ ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተመልሱ፣ ንሳቶም ድማ፡ “ስለምንታይከ ዘየምጻእኩምዎ፧” በልዎም። 46 እቶም ገላዉ ኸኣ፡ “ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን” ኢሎም መለሱሎም።+ 47 ፈሪሳውያን ከኣ፡ “ንስኻትኩም እውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ 48 ካብ ኣሕሉቕ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ፧+ 49 እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ እዚ ግና፡ ርጉም እዩ” ኢሎም መለሱሎም። 50 እቲ ቕድም ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ፡ ሓደ ኻባታቶም ድማ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፡ 51 “ሕግናዶ ንሰብ፡ ቅድም ከይተሰምዐን ዝገበሮ ኸይተፈልጠን ይፈርዶ እዩ፧” በሎም።+ 52 ንሳቶም ከኣ፡ “ንስኻ እውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ፡ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ” ኢሎም መለሱሉ።* 12 ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ፡ የሱስ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር+ ዝነበራ ቢታንያ መጸ። 2 ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ፣ ማርታ እውን ተገልግሎም ነበረት፣+ ኣልኣዛር ግና ሓደ ኻብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ እዩ። 3 ሽዑ፡ ማርያም ሓደ ነጥሪ* ኽቡር ቅዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳ እውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብሽታ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልአት።+ 4 ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡+ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ 5 “እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ፡ ስለምንታይ ን300 ዲናር* ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፧” በለ። 6 እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝነበረን ሳጹን ምስኡ ስለ ዝነበረን ኣብኡ ዝኣተወ ገንዘብ ይሰርቕ ስለ ዝነበረን እዩ እምበር፡ ንድኻታት ስለ ዝሓለየሎም ኣይኰነን። 7 የሱስ ከኣ፡ “ንመዓልቲ ቐብረይ ኢላ እዚ ኽትገብር ሕደግዋ።+ 8 ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣+ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን” በለ።+ 9 ሽዑ፡ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ህዝቢ፡ ንሱ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም መጹ፣ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር እውን ኪርእዩ እምበር፡ ብምኽንያት የሱስ ጥራይ ኣይኰኑን ዝመጹ።+ 10 ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ ንኣልኣዛር እውን ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ፣ 11 ከመይሲ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር ናብኡ እናኸዱ፡ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ።+ 12 ንጽብሒቱ፡ እቶም ንበዓል ዝመጹ ብዙሓት ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ይመጽእ ከም ዘሎ ሰሚዖም፡ 13 ጨናፍር ኦም ስየ ሒዞም ኪረኽብዎ ወጹ። “በጃኻ፡ ኣድሕን! ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ!”+ ኢሎም እውን ጨደሩ።+ 14 ሽዑ፡ የሱስ ጻዕብ ረኺቡ ተወጥሖ፣+ እዚ ድማ ከምቲ፡ 15 “ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ! እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ”+ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። 16 ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገር እዚ ቕድም ኣይተረድእዎን፣ የሱስ ምስ ከበረ ግና፡+ ሽዑ እዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈን ንሳቶም እዚ ኸም ዝገበሩሉን ዘከሩ።+ 17 እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ፡+ ይምስክሩ ነበሩ።+ 18 ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ፡ እዚ ትእምርቲ እዚ ኸም ዝገበረ ስለ ዝሰምዑ፡ ኪረኽብዎ ወጹ። 19 ሽዑ፡ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ “ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣለኹም። እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ” ተባሃሃሉ።+ 20 ካብቶም ኣብቲ በዓል ኬምልኹ ዝደየቡ ኸኣ፡ ገለ ግሪኻውያን ነበሩ። 21 ንሳቶም ድማ ናብ ፊልጶስ+ ብዓል ቤት-ሳይዳ ናይ ገሊላ ቐሪቦም፡ “ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኢና” ኢሎም ለመንዎ። 22 ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ከኣ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ። 23 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ወዲ ሰብ ዚኸብረላ ሰዓት በጺሓ እያ።+ 24 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወዲቓን እንተ ዘይሞይታን፡ በይና እያ እትነብር፣ እንተ ሞይታ ግና፡+ ብዙሕ ፍረ ትፈሪ። 25 እቲ ንህይወቱ* ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንህይወቱ* ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ+ ግና ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።+ 26 ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ይስዓበኒ፣ ኣብቲ ዘለኽዎ ኸኣ፡ ኣገልጋልየይ ኣብኡ ኪኸውን እዩ።+ ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። 27 ሕጂ ተረቢሸ ኣለኹ፡*+ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ።+ ግናኸ፡ ምእንቲ እዚ እየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝመጻእኩ። 28 ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ።” ሽዑ፡ ካብ ሰማይ፡ “ኣኽቢረዮ እየ፡ ከም ብሓድሽ እውን ከኽብሮ እየ”+ ዚብል ድምጺ መጸ።+ 29 እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፡ ነጕዲ ኸም ዝዀነ ተዛረቡ። ካልኦት ከኣ፡ “መልኣኽ ተዛሪብዎ” በሉ። 30 የሱስ ከኣ፡ “እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኹም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን። 31 ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ኣኺሉ፣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ+ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።+ 32 ኣነ እውን ምስ ተሰቐልኩ፡+ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ናባይ ክስሕቦ እየ” ኢሉ መለሰሎም። 33 ከመይ ዝበለ ሞት ከም ዚመውት ኬመልክት እዩ እዚ ዝበለ።+ 34 ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ፡ “ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ ኻብ ሕጊ ሰሚዕና ኔርና።+ ከመይ ኢልካ ደኣ ኢኻ፡ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ እትብል ዘለኻ፧+ እዚ ወዲ ሰብ እዚኸ መን እዩ፧” ኢሎም መለሱሉ። 35 የሱስ ከኣ፡ “ንቝሩብ ግዜ ብርሃን ኣብ መንጎኹም ኪጸንሕ እዩ። ጸልማት ከይውሕጠኩምሲ፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ፣ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።+ 36 ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ” በሎም።+ የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሓብአ። 37 ኣብ ቅድሚኦም ክንድዚ ዚኣክል ትእምርትታት ገይሩ ኽነሱ፡ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩ፣ 38 እዚ ዝዀነ ኸኣ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡* በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧+ ቅልጽም የሆዋኸ* ንመን ተገሊጹ፧”+ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 39 ኪኣምኑ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ከኣ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፡ 40 “ብኣዒንቶም ከይርእዩን ብልቦም ከይርድኡን ከይምለሱን እሞ ኣነ ኸየሕውዮምሲ፡ ኣዒንቶም ኣዕዊሩ፡ ልቦም እውን ኣትሪሩ” ዝበሎ እዩ።+ 41 ኢሳይያስ ክብሩ ስለ ዝረኣየ እዩ እዚ ዝበለ፡ ብዛዕባኡ እውን ተዛረበ።+ 42 ዝዀነ ዀይኑ፡ ብዙሓት ካብ ኣሕሉቕ እኳ ብእኡ ኣመኑ፣+ ግናኸ፡ ካብ ምኵራብ ምእንቲ ኸይስጐጉ፡ ብሰንኪ ፈሪሳውያን ኣይተኣመኑሉን፣+ 43 ከመይሲ፡ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ብዝያዳ ፈተዉ።+ 44 የሱስ ግና ጨደረ፡ ከምዚ እውን በለ፦ “እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ በቲ ዝለኣኸኒ እውን እምበር፡ ብኣይ ጥራይ ኣይኰነን ዚኣምን፣+ 45 እቲ ንዓይ ዚርኢ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይርእዮ።+ 46 ብኣይ ዚኣምን ኵሉ፡ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡+ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ።+ 47 ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ ዘበለ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ።+ 48 እቲ ዚንዕቀንን ንቓለይ ዘይቅበልን ዚፈርዶ ኣለዎ። እቲ እተዛረብክዎ ቓል እዩ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ዚፈርዶ። 49 ከመይሲ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ባዕሉ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ።+ 50 ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ምዃና እውን እፈልጥ እየ።+ ስለዚ፡ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ።”+ 1 ቃል ብመጀመርታ ነበረ፣+ እቲ ቓል ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ፣+ እቲ ቓል እውን ኣምላኽ* ነበረ።+ 2 እዚ ብመጀመርታ ምስ ኣምላኽ ነበረ። 3 ኵሉ ብእኡ ዀነ፣+ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ፡ ሓደ እኳ የልቦን። 4 ህይወት ብእኡ ዀነት፣ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።+ 5 ብርሃን እውን ኣብ ጸልማት የብርህ ኣሎ፣+ ጸልማት ግና ኣይሰዓሮን። 6 ሓደ ሰብ፡ ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ ተላኢኹ መጸ፣ ስሙ ዮሃንስ ይብሃል።+ 7 ኵሎም ዓይነት ሰባት ብእኡ ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ንሱ ብዛዕባ ብርሃን ምእንቲ ኺምስክር፡+ ምስክር ኰይኑ መጸ። 8 ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።+ 9 እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ዜብርህ ናይ ሓቂ ብርሃን ናብ ዓለም ኪመጽእ ቀሪቡ ነበረ።+ 10 ኣብ ዓለም ነበረ፣+ ዓለም እውን ብእኡ ዀነት፣+ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። 11 ናብቶም ናቱ መጸ፣ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን። 12 ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ግና፡ ብስሙ ስለ ዚኣምኑ፡+ ውሉዳት ኣምላኽ ኪዀኑ ስልጣን ሃቦም።+ 13 ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ እተወልዱ ኣይኰኑን።+ 14 እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡+ ኣብ መንጎና እውን ነበረ፣ ክብሩ ድማ ከምቲ ንኣቦኡ ሓደ ዝዀነ ወዲ ዚረኽቦ ኽብሪ ረኣና፣+ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ነበረ። 15 (ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፣ እወ፡ “እቲ ብዛዕባኡ፡ ‘እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ቅድመይ ስለ ዝነበረ፡ ቀደመኒ’ ዝበልኩሉ ንሱ እዩ” በለ።)+ 16 ኵላትና ኻብ ምልኣቱ፡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና። 17 ምኽንያቱ፡ ሕጊ ብሙሴ ተዋህበ፣+ ጸጋን+ ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ።+ 18 ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፣+ እቲ ኣብ ጐድኒ ኣቦ* ዘሎ+ ሓደ ውሉድ ዝዀነ ኣምላኽ፡+ ንሱ ገለጾ።+ 19 ኣይሁድ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሎም ኪሓትትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክርነት ዮሃንስ እዚ እዩ፦+ 20 “ኣነ ክርስቶስ ኣይኰንኩን” ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሓደን። 21 ንሳቶም ድማ፡ “መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧”+ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይኰንኩን” ኢሉ መለሰ። “እቲ ነብዪ ዲኻ፧”+ “ኣይኰንኩን” ኢሉ መለሰ። 22 ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ ንገረና። ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧” በልዎ። 23 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነስ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝበሎ፡ ‘መገዲ የሆዋ* ኣቕንዑ’+ እናበለ ኣብ በረኻ ዚጭድር ድምጺ እየ” በሎም።+ 24 እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። 25 ንሳቶም ከኣ፡ “ንስኻ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ስለምንታይ ደኣ ተጥምቕ ኣለኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 26 ዮሃንስ ድማ፡ “ኣነ ብማይ አጥምቕ ኣለኹ። ኣብ መንጎኹም ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ደው ኢሉ ኣሎ፣ 27 እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ኣነ ስራኽ ሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፡ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 28 እዚ ኣብቲ ዮሃንስ ዜጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዚርከብ ቢታንያ ዀነ።+ 29 ንጽብሒቱ፡ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም+ ዜርሕቕ+ ገንሸል*+ ኣምላኽ! 30 ብዛዕባ እዚ እየ፡ ‘ቅድመይ ዝዀነ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፣ ንሱስ ቅድመይ ዝነበረ እዩ’ ዝበልኩ።+ 31 ኣነ እኳ ኣይፈለጥክዎን፣ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግሃድ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጺአ” በለ።+ 32 ዮሃንስ ድማ ከምዚ ኢሉ መስከረ፦ “መንፈስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብኡ ኪቕመጥ ርእየ እየ።+ 33 እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፡ ‘እቲ፡ መንፈስ ወሪዱ ኪቕመጦ እትርእዮ፡+ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ’+ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። 34 ኣነ ኸኣ ርእየስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስኪረ።”+ 35 ንጽብሒቱ፡ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ፣ 36 ንየሱስ ኪኸይድ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ፡ ገንሸል+ ኣምላኽ!” በለ። 37 እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ኺዛረብ ምስ ሰምዕዎ፡ ንየሱስ ሰዓብዎ። 38 የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፡ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ረቢ፡ (ትርጉሙ “መምህር” ማለት እዩ፡) ኣበይ ኢኻ እትነብር፧” በልዎ። 39 ንሱ ኸኣ፡ “ንዑ ርኣዩ” በሎም። ከይዶም ድማ ኣበይ ከም ዚነብር ረኣዩ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እውን ምስኡ ጸንሑ፣ ዓስረይቲ ሰዓት* ኣቢላ ኸኣ ነበረት። 40 ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተ፡ እቲ ሓደ እንድርያስ+ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ። 41 ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፡ “ንመሲሕ (ትርጉሙ “ክርስቶስ” እዩ) ረኺብናዮ” በሎ፣+ 42 ናብ የሱስ እውን ወሰዶ። የሱስ ምስ ጠመቶ፡ “ንስኻ ስምኦን+ ወዲ ዮሃንስ ኢኻ፣ ንስኻ ኬፋ (ትርጉሙ “ጴጥሮስ” እዩ፡) ኽትብሃል ኢኻ” በሎ።+ 43 ንጽብሒቱ፡ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ። ንፊልጶስ+ ረኸቦ እሞ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። 44 ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤት-ሳይዳ ነበረ፣ እንድርያስን ጴጥሮስን እውን ደቂ እታ ኸተማ ነበሩ። 45 ፊልጶስ ንናትናኤል+ ረኸቦ እሞ፡ “እቲ ሙሴ ኣብ ሕጊ ዝጸሓፈሉ፡ ነብያት እውን ዝጸሓፉሉ፡ የሱስ ወዲ ዮሴፍ+ ብዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ። 46 ናትናኤል ግና፡ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪርከብ ይኽእል እዩ፧” በሎ። ፊልጶስ ድማ፡ “ንዓ ርአ” በሎ። 47 የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣዮ እሞ፡ ብዛዕባኡ፡ “እንሆ፡ ተንኰል ዚብሃል ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።+ 48 ናትናኤል ድማ፡ “ኣበይ ትፈልጠኒ፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ* ከለኻ ርእየካ” ኢሉ መለሰሉ። 49 ናትናኤል ድማ፡ “መምህር፡* ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፣ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 50 የሱስ ከኣ፡ “ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከም ዝረኣኹኻ ስለ ዝነገርኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 51 ኣስዒቡ እውን፡ “ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽ እውን ኪድይቡን ናብ ወዲ ሰብ ኪወርዱን ክትርእዩ ኢኹም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎ።+ 8 12 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ።+ እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪህልዎ እምበር፡ ብጸልማት ከቶ ኣይኪመላለስን እዩ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።+ 13 ፈሪሳውያን ከኣ፡ “ንስኻ ብዛዕባ ርእስኻ ትምስክር ኣለኻ፣ ምስክርነትካ ሓቂ ኣይኰነን” በልዎ። 14 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩን ናበይ ከም ዝኸይድን ስለ ዝፈልጥ፡ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ።+ ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩን ናበይ ከም ዝኸይድን ኣይትፈልጡን ኢኹም። 15 ንስኻትኩም ብስጋ* ኢኹም እትፈርዱ፣+ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ። 16 ግናኸ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ምሳይ እዩ እምበር፡ ኣነ በይነይ ስለ ዘይኰንኩ፡ እንተ ፈሪደ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ።+ 17 ኣብ ሕግኹም እውን፡ ‘ምስክርነት ክልተ ሰብ ሓቂ እዩ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ።+ 18 ብዛዕባ ርእሰይ ዝምስክር ኣነ እየ፣ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እውን ብዛዕባይ ይምስክር እዩ።”+ 19 ሽዑ፡ “ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፧” በልዎ። የሱስ ድማ፡ “ንዓይ ወይስ ንኣቦይ ኣይትፈልጡናን ኢኹም።+ ንዓይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ንኣቦይ እውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” ኢሉ መለሰ።+ 20 ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ጥቓ መመጽወቲ ዀይኑ እዩ እዚ ቓላት እዚ ዝበለ።+ ግናኸ፡ ግዜኡ ገና ስለ ዘይኣኸለ፡ ሓደ እኳ ኣይሓዞን።+ 21 ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ፡ “ኣነ እኸይድ ኣለኹ፣ ክትደልዩኒ፡ ግናኸ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም።+ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።+ 22 ኣይሁድ ከኣ፡ “‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዚብልሲ፡ ርእሱዶ ኪቐትል ኰይኑ፧” በሉ። 23 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፣ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ።+ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፣ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። 24 ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ‘ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም’ ዝበልኩኹም” በሎም። 25 ሽዑ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” በልዎ። የሱስ ከኣ፡ “ስለምንታይከ እየ ምሳኻትኩም ዝዛረብ፧ 26 ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ እኳ ሓቀኛ እዩ፣ እቲ ኻብኡ ዝሰማዕክዎ ድማ ኣብ ዓለም እዛረቦ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።+ 27 ንሳቶም ግና ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም ኣይፈለጡን። 28 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ንወዲ ሰብ ምስ ሰቐልኩምዎ፡+ ሽዑ ኣነ ንሱ ምዃነይን+ ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይገብርን ክትፈልጡ ኢኹም፣+ ግናኸ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ፡ ከምኡ እየ ዝዛረብ። 29 እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ፣ ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ ስለ ዝገብር ከኣ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በለ።+ 30 ንሱ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። 31 የሱስ ከኣ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፣ 32 ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣+ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም።+ 33 ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፣ ንሓደ እኳ ባሮት ኴንና ኣይተገዛእናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ ‘ሓራ ኽትወጹ ኢኹም’ እትብለና ዘለኻ፧” ኢሎም መለሱሉ። 34 የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ።+ 35 ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንሓዋሩ ኣይነብርን እዩ፣ ወዲ ግና ንሓዋሩ ይነብር እዩ። 36 ስለዚ፡ ወዲ፡ ሓራ እንተ ኣውጺኡኩም፡ ብሓቂ ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። 37 ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩም እፈልጥ እየ። ቃለይ ስለ ዘይተቐበልኩም ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። 38 ኣነ ነቲ ምስ ኣቦይ ከለኹ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ፣+ ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኻብ ኣቦኹም ዝሰማዕኩምዎ ትገብሩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም። 39 ንሳቶም ድማ፡ “ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ “ውሉዳት ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡+ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። 40 ሕጂ ግና ንዓይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም።+ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። 41 ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ንሕናስ ካብ ምንዝርና* ኣይተወለድናን፣ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ” በልዎ። 42 የሱስ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ መጺአ እየ ኣብዚ ዘለኹ እሞ፡ ኣምላኽ ኣቦኹም እንተ ዚኸውንሲ፡ ንዓይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።+ ንሱ ደኣ እዩ ልኢኹኒ እምበር፡ ኣነስ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን።+ 43 ስለምንታይ ኢኹም ዝዛረቦ ዘለኹ ዘይትርድኡ፧ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይትኽእሉ ኢኹም። 44 ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፣ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ እውን ትደልዩ ኣለኹም።+ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፣+ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ እውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን ስለ ዝዀነ፡ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ።+ 45 ኣነ ሓቂ ስለ ዝነግር ግና፡ ኣይትኣምኑንን። 46 ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ 47 እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ።+ ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ስለ ዘይኰንኩም፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ።”+ 48 ኣይሁድ ከኣ፡ “‘ሳምራዊ ኢኻ፡+ ጋኔን እውን ኣሎካ’ ምባልናስ ቅኑዕ ደይኰነን፧”+ ኢሎም መለሱሉ። 49 የሱስ ድማ፡ “ኣነስ ንኣቦይ ደኣ አኽብሮ ኣለኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን፣ ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ ኣለኹም። 50 ኣነ ግና ንርእሰይ ክብሪ ኣይደልን እየ፣+ ዚደልን ዚፈርድን ግና ኣሎ። 51 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ሞት ከቶ ኣይክርእን እዩ”+ ኢሉ መለሰሎም። 52 ኣይሁድ ድማ፡ “ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈሊጥና። ኣብርሃም ሞይቱ እዩ፡ ነብያት እውን፣ ንስኻ ግና፡ ‘ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ሞት ከቶ ኣይኪጥዕምን እዩ’ ትብል ኣለኻ። 53 ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ፧ ነብያት እውን ሞይቶም እዮም። ንርእስኻ መን ትገብራ ኣለኻ፧” በልዎ። 54 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ፡ ርእሰይ እንተ ኣኽቢረ፡ ክብረይ ከንቱ እዩ። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።+ 55 ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፣+ ኣነ ግና እፈልጦ እየ።+ ‘ኣይፈልጦን’ እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉ እውን እሕሉ እየ። 56 ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተስፋ ምስ ገበረ፡ ባህ ኢልዎ፣ ርእይዋ ድማ ተሓጒሱ” ኢሉ መለሰ።+ 57 ኣይሁድ ከኣ፡ “ገና 50 ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧” በልዎ። 58 የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ኣነ ኣለኹ” በሎም።+ 59 ስለዚ፡ ኪድርብዩሉ ኣእማን ኣልዓሉ፣ የሱስ ግና ተሓብአ፡ ካብ ቤተ መቕደስ እውን ወጸ። 11 ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ቝሸት ማርያምን ሓብታ ማርታን፡ ኣልኣዛር ዚብሃል ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ።+ 2 ማርያም፡ እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶን ብጸጕሪ ርእሳ ኣእጋሩ ዝደረዘቶን እያ፣+ እቲ ዝሓመመ ኣልኣዛር ከኣ ሓዋ እዩ። 3 ሽዑ፡ እተን ኣሓቱ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ እቲ እትፈትዎስ፡ ሓሚሙ ኣሎ” ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ። 4 የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ግና፡ “እዚ ሕማም እዚ፡ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን” በለ።+ 5 የሱስ ድማ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ። 6 ኣልኣዛር ምሕማሙ ምስ ሰምዐ ግና፡ ኣብታ ዝነበራ ቦታ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ። 7 ድሕርዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ደጊም ናብ ይሁዳ ንኺድ” በሎም። 8 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “መምህር፡*+ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡+ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧” በልዎ። 9 የሱስ ድማ፡ “ኣብ መዓልትስ 12 ሰዓት ደይኰነን ዘሎ፧+ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዚርኢ፡ ኣይዕንቀፍን እዩ። 10 እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ” በሎም። 11 እዚ ምስ ተዛረበ፡ “ኣልኣዛር ዓርክና ደቂሱ ኣሎ፣+ ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ” በሎም። 12 ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ” በልዎ። 13 ግናኸ፡ የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ። ንሳቶም ግና ብዛዕባ ድቃስ ዕረፍቲ እተዛረበ መሰሎም። 14 ሽዑ፡ የሱስ ብግልጺ፡ “ኣልኣዛር ሞይቱ፣+ 15 ኣነ ድማ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ኣብኡ ብዘይምንባረይ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣለኹ። ግናኸ፡ ናብኡ ንኺድ” በሎም። 16 ስለዚ፡ እቲ ማንታ ዚብሃል ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲ፡ “ንሕና እውን ምስኡ ኽንመውትሲ፡ ንኺድ” በሎም።+ 17 የሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ኣልኣዛር ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ። 18 ቢታንያ ኻብ የሩሳሌም ኣስታት ሰለስተ ኪሎ ሜተር* ብምንባራ፡ ቀረባ ነበረት። 19 ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ድማ፡ ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። 20 ማርታ ኸኣ የሱስ ይመጽእ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐት፡ ክትረኽቦ ኸደት፣ ማርያም+ ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። 21 ሽዑ፡ ማርታ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ። 22 ግናኸ፡ ሕጂ እውን እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ፡ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ እየ” በለቶ። 23 የሱስ ድማ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” በላ። 24 ማርታ ኸኣ፡ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ” በለቶ።+ 25 የሱስ ድማ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ።+ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ እንተ ሞተ እኳ፡ ህያው ኪኸውን እዩ፣ 26 ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ኵሉ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪመውትን እዩ።+ ነዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧” በላ። 27 ንሳ ድማ፡ “እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣለኹ” በለቶ። 28 እዚ ምስ በለት፡ ከይዳ ንማርያም ሓብታ ሰላሕ ኢላ፡ “መምህር+ መጺኡ፡ ይጽውዓኪ እውን ኣሎ” ኢላ ጸውዓታ። 29 ንሳ እዚ ምስ ሰምዐት፡ ቀልጢፋ ተንስአት፡ ናብኡ እውን ከደት። 30 የሱስ ኣብታ ማርታ ዝረኸበቶ ቦታ ጸንሐ እምበር፡ ናብታ ቝሸት ገና ኣይኣተወን ነበረ። 31 እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ማርያም ቀልጢፋ ምትንሳኣን ምውጻኣን ምስ ረኣዩ፡ ናብ መቓብር+ ከይዳ ኣብኡ እትበኪ መሲልዎም ሰዓብዋ። 32 ማርያም ድማ ናብታ የሱስ ዝነበራ ቦታ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። 33 ሽዑ፡ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድ እውን ኪበኽዩ ኸለዉ ምስ ረኣየ፡ ብውሽጡ* እህህ በለ፡ ተረበሸ ኸኣ። 34 “ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧” ድማ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርአ” በልዎ። 35 የሱስ ነብዐ።+ 36 ሽዑ፡ ኣይሁድ፡ “ርኣዩ፡ ክንደይ ይፈትዎ ነይሩ!” በሉ። 37 ገሊኣቶም ግና፡ “እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፡+ ነዚ እውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን ነይሩ፧” በሉ። 38 ሽዑ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ ብውሽጡ እህህ በለ፡ ናብቲ መቓብር እውን መጸ። እቲ መቓብር ከኣ ብእምኒ እተዓጽወ በዓቲ ነበረ። 39 የሱስ ድማ፡ “ነዚ እምኒ ኣልግስዎ” በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ጨንዩ ኪኸውን ኣለዎ” በለቶ። 40 የሱስ ድማ፡ “እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምረኣኺዶ ኣይበልኩኽን፧” በላ።+ 41 ሽዑ፡ ነቲ እምኒ ኣልገስዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ፡+ “ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ። 42 እዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓንስ፡ ፈሊጠ ኣለኹ” በለ።+ 43 እዚ ምስ በለ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።+ 44 እቲ ሞይቱ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ብመግነዝ ተገኒዙ፡ ገጹ እውን ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም። 45 ሽዑ፡ ናብ ማርያም ዝመጹን ነቲ ንሱ ዝገበሮ ዝረኣዩን ብዙሓት ካብ ኣይሁድ፡ ብእኡ ኣመኑ፣+ 46 ገሊኣቶም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። 47 ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙሕ ትእምርትታት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧+ 48 ከምዚ እንተ ሓዲግናዮ፡ ኵላቶም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፣ ሮማውያን መጺኦም ድማ ቦታናን* ህዝብናን ኪወስዱ እዮም” በሉ። 49 ሓደ ኻባታቶም፡ ቀያፋ+ ዚብሃል በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ግና፡ “ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ 50 ብዘሎ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእሲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚጠቕመኩም ኣይትሓስቡን ኢኹም” በሎም። 51 ግናኸ፡ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ስለ ዝነበረ፡ የሱስ ምእንቲ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ደኣ እዩ ተነብዩ እምበር፡ እዝስ ካብ ርእሱ ኣይኰነን ኢልዎ፣ 52 ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽ እውን ናብ ሓደ ምእንቲ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ ምእንቲ እቲ ህዝቢ እቲ ጥራይ ኣይኰነን። 53 ስለዚ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዞም፡ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ። 54 በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ ካብኡ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ በረኻ ዘሎ ሃገር፡ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ እምበር፡+ ድሕርዚ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ብግህዶ ኣይተመላለሰን፣ ኣብኡ ኸኣ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸንሐ። 55 ፋስጋ+ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ፣ ብዙሓት ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁ፡ ካብ ገጠር ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 56 ሽዑ፡ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ፣ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ከኣ፡ “እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል እዚ ደዀን ኣይመጽእን፧” ተባሃሃሉ። 57 ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ግና፡ ንየሱስ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብር ኣዚዞም ነበሩ። 2 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፣ ኣደ የሱስ እውን ኣብኡ ነበረት። 2 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደሙ። 3 ወይኒ ምስ ተወድአ፡ ኣደ የሱስ፡ “ወይኒ የብሎምን” በለቶ። 4 የሱስ ግና፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እዚ ንዓይን ንዓኽን እንታይ የገድሰና፧* ግዜይ ገና ኣይበጽሐን” በላ። 5 ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ዜገልግሉ ዝነበሩ፡ “ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ግበሩ” በለቶም። 6 ኣብኡ ድማ ከም ስርዓት ንጽህና ኣይሁድ፡+ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ መስፈር ፈሳሲ* ዚሕዝ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጡ ነበረ። 7 የሱስ ከኣ፡ “ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ” በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። 8 ንሱ ድማ፡ “ሕጂ ቕድሕዎ እሞ፡ ንኣቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። 9 እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ ናብ ወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ከም ዝመጸ ኣይፈለጠን፣ (እቶም ነቲ ማይ ዝቐድሑ ኣገልገልቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፣) ሽዑ፡ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፡ 10 “ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ” በሎ። 11 የሱስ ነዚ መጀመርታ ትእምርትታቱ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ፡ ክብሩ ድማ ኣግሃደ፣+ ደቀ መዛሙርቱ እውን ብእኡ ኣመኑ። 12 ድሕርዚ፡ ንሱን ኣዲኡን ኣሕዋቱን+ ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረዱ፣+ ኣብኡ ግና ብዙሕ መዓልትታት ኣይጸንሑን። 13 ፋስጋ+ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፣ የሱስ ድማ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 14 ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ከብትን ኣባጊዕን ረገቢትን ዚሸጡ፡+ ኣሽረፍቲ ድማ ተቐሚጦም ረኸበ። 15 ካብ ገመድ መግረፊ ሰሪሑ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምስተን ኣባጊዕን ምስቶም ከብትን ዝነበሩ ኻብ ቤተ መቕደስ ሰጐጎም፣ ንሰልዲ እቶም ኣሽረፍቲ እውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ገልበጦ።+ 16 ነቶም ረገቢት ዚሸጡ ድማ፡ “ነዚ ኻብዚ ኣልግስዎ! ንቤት ኣቦይ፡ ደጊም ቤት ሸቐጥ* ኣይትግበርዋ!” በሎም።+ 17 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ቅንኣት ቤትካ ኺበልዓኒ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።+ 18 ሽዑ፡ ኣይሁድ፡ “እዚ እትገብር ካብ ኣለኻስ፡ እንታይ ትእምርቲኸ ኸተርእየና ኢኻ፧” በልዎ።+ 19 የሱስ ድማ፡ “ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኸተንስኣ እየ” ኢሉ መለሰሎም።+ 20 እቶም ኣይሁድ ከኣ፡ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ብ46 ዓመት እያ ተሃኒጻ፣ ንስኻዶ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኸተተንስኣ ኢኻ፧” በልዎ። 21 ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ።+ 22 ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ግና፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ እዚ ይብል ከም ዝነበረ ዘከሩ፣+ በቲ ቕዱስ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። 23 ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ፡ ብዙሓት ነቲ ዝገበሮ ትእምርትታት ምስ ረኣዩ፡ ብስሙ ኣመኑ። 24 የሱስ ግና፡ ንዅሎም ይፈልጦም ስለ ዝነበረ፡ ኣይኣመኖምን፣ 25 ኣብ ሰብ ዘሎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ብዛዕባ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን።+ 4 ጐይታ ኸኣ፡ ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ይገብርን የጥምቕን ከም ዝነበረ ምስማዖም ምስ ፈለጠ፡+— 2 ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፡— 3 ንይሁዳ ሓዲጉ፡ ከም ብሓድሽ ናብ ገሊላ ኸደ። 4 ብሰማርያ ኺሓልፍ ከኣ ነበሮ። 5 ስለዚ፡ ናብታ ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንወዱ ዮሴፍ ዝሃቦ ግራት ዘላ ሲካር እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ።+ 6 ኣብኣ ድማ ዒላ ያእቆብ ነበረት።+ የሱስ ከኣ ብጕዕዞ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እታ ዒላ* ተቐመጠ። ሽዑ፡ ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣቢሉ ነበረ። 7 ሓንቲ ኻብ ሰማርያ ዝዀነት ሰበይቲ፡ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፡ “ኣስትይኒ” በላ። 8 (ከመይሲ፡ ደቀ መዛሙርቱ ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።) 9 ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን ነበሩ እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻስ፡ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኽትሰቲ ትልምን ኣለኻ፧” በለቶ።+ 10 የሱስ ድማ፡ “ናጻ ውህበት ኣምላኽን+ እቲ ‘ኣስትይኒ’ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ” ኢሉ መለሰላ።+ 11 ንሳ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ መገለል የብልካን፡ እዛ ዒላ ኸኣ ዓማቝ እያ። እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ኢኻ እትረኽቦ፧ 12 ንስኻዶ ኻብቲ ነዛ ዒላ እዚኣ ዝሃበና፡ ንሱ እውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኣ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ ትዓቢ ኢኻ፧” በለቶ። 13 የሱስ ድማ፡ “ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዅሉ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። 14 ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ዘበለ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ደኣ ኣብኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ይኸውን እምበር፡+ ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ” ኢሉ መለሰላ።+ 15 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ፡ ክቐድሕ ኢለ ናብዚ ኸይመላለስሲ፡ ነዚ ማይ እዚ ሃበኒ” በለቶ። 16 ንሱ ኸኣ፡ “ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ” በላ። 17 እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ሰብኣይ የብለይን” ኢላ መለሰትሉ። የሱስ ከኣ፡ “‘ሰብኣይ የብለይን’ ብምባልክስ፡ ቅኑዕ ተዛሪብኪ። 18 ሓሙሽተ ሰብኡትሲ ነይሮምኺ እዮም፣ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎ እውን ሰብኣይኪ ኣይኰነን። እዝስ ሓቂ ተዛሪብኪ” በላ። 19 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ።+ 20 ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ እዮም ኣምሊኾም፣ ንስኻትኩም ግና፡ ‘እታ ኺምለኸላ ዚግባእ ቦታ የሩሳሌም እያ’ ኢኹም እትብሉ” በለቶ።+ 21 የሱስ ድማ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይስ ኣብ የሩሳሌም ንኣቦ ዘይተምልኹላ ሰዓት ከም እትመጽእ፡ እመንኒ። 22 ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እተምልኹ፣+ ንሕና ግና፡ ድሕነት ካብ ኣይሁድ ስለ ዝዀነ፡* ንእንፈልጦ ኢና እነምልኽ።+ 23 ግናኸ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፣ ኣቦስ ከምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ ዘሎ።+ 24 ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣+ እቶም ዜምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ ይግብኦም” በላ።+ 25 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ክርስቶስ ዚብሃል መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ እየ። ንሱ ምስ መጸ፡ ኵሉ ኺገልጸልና እዩ” በለቶ። 26 የሱስ ድማ፡ “ኣነ ዝዛረበኪ ዘለኹ፡ ንሱ እየ” በላ።+ 27 ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ይዛራረብ ስለ ዝነበረ እውን፡ ተገረሙ። ግናኸ፡ “እንታይ ኢኻ ደሊኻ፧” ወይ፡ “ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ ኣለኻ፧” ዝበሎ ሓደ እኳ ኣይነበረን። 28 እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰባት እውን፡ 29 “ዝገበርክዎ ዅሉ ዝነገረኒ ሰብ ንዑ ርኣይዎ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ደዀን ይኸውን፧” ኢላ ነገረቶም። 30 ንሳቶም ከኣ ካብታ ኸተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ። 31 ኣብ መንጎኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “መምህር፡*+ ብላዕ” ኢሎም ይልምንዎ ነበሩ። 32 ንሱ ግና፡ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ” በሎም። 33 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ንሓድሕዶም፡ “ዚብላዕ ዘምጸኣሉ ደዀን ኣልዩ፧” ተባሃሃሉ። 34 የሱስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡+ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ።+ 35 ‘ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ’ ትብሉ ደይኰንኩምን፧ እንሆ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም፡ ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ።+ 36 እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ፡ ድሮ እቲ ዓጻዲ ውዕለቱ ይቕበልን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብን ኣሎ።+ 37 ኣብዚ መዳይ እዝስ፡ ‘ሓዲኡ ዘራኢ፡ ሓዲኡ ኸኣ ዓጻዲ እዩ’ ዚብሃል ሓቂ እዩ። 38 ኣነ፡ ዘይጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ልኢኸኩም ኣለኹ። ካልኦት ጽዒሮምሉ እዮም፣ ንስኻትኩም ከኣ ብጻዕሮም ትጥቀሙ ኣለኹም።” 39 ስለቲ እታ ሰበይቲ፡ “ዝገበርክዎ ዅሉ ነጊሩኒ” ኢላ ዝመስከረቶ ቓል ድማ፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ።+ 40 እቶም ሳምራውያን ከኣ ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ፣ ንሱ ድማ ኣብኡ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ። 41 ብዙሓት ተወሰኽቲ ኸኣ ስለቲ ዝበሎ ኣመኑ። 42 ነታ ሰበይቲ እውን፡ “ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ መድሓን ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ብዘረባኺ ጥራይ ኣይኰንናን እንኣምን ዘለና” በልዋ።+ 43 ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ፡ ካብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸደ። 44 የሱስ ባዕሉ ግና፡ ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር መስከረ።+ 45 ናብ ገሊላ ምስ መጸ ድማ፡ እቶም ገሊላውያን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ብበዓል ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ፣+ ምኽንያቱ፡ ንሳቶም እውን ናብ በዓል ከይዶም ነበሩ።+ 46 ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ ቃና ናይ ገሊላ መጸ።+ ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ፡ ወዱ ዝሓመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ። 47 ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ናብኡ ኸደ፣ ወዱ ኺመውት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ለመኖ። 48 የሱስ ድማ፡ “ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኢኹም፡ ከቶ ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ።+ 49 እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ውሉደይ ከይሞተ ውረድ” በሎ። 50 የሱስ ድማ፡ “ኪድ፡ ወድኻ ሓውዩ” በሎ።+ እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ በቲ የሱስ እተዛረቦ ቓል ኣሚኑ ኸደ። 51 ኪወርድ ከሎ ግና፡ ባሮቱ ረኺቦም፡ ወዱ ኸም ዝሓወየ ነገርዎ። 52 ንሱ ኸኣ እታ ዝጠዓየላ ሰዓት ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፡ “ትማሊ ኣብ ሻውዐይቲ* ሰዓት ረስኒ ሓዲግዎ” ኢሎም መለሱሉ። 53 ሽዑ፡ እቲ ኣቦ፡ እታ የሱስ፡ “ወድኻ ሓውዩ”+ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱን ብምሉኦም ቤተ ሰቡን ከኣ ኣመኑ። 54 እዚ ድማ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ኻልኣይ ትእምርቲ እዩ።+ 16 “ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ እተዛረብኩኹም። 2 ካብ ምኵራቦም ኬውጽኡኹም እዮም።+ አረ ዚቐትለኩም ዘበለስ+ ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ሰዓት ክትመጽእ እያ። 3 ንኣቦን ንዓይን ስለ ዘይፈለጡና፡ እዚ ኺገብሩ እዮም።+ 4 ግናኸ፡ እዚ ዚገብሩላ ሰዓት ምስ ኣኸለት፡ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ፡ እዚ ተዛረብኩኹም።+ “ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ፡ እዚ ኣብ መጀመርታ ኣይነገርኩኹምን። 5 ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣለኹ፣+ ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ‘ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧’ ኢሉ ኣይሓተተንን። 6 እዚ ስለ እተዛረብኩኹም ግና፡ ልብኹም ብጓሂ መሊኡ ኣሎ።+ 7 ግናኸ፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ፣ ምኻደይ ንጥቕምኹም እዩ። እንተ ዘይከይደስ፡ እቲ ሓጋዚ+ ናባኻትኩም ኣይኪመጽእን እዩ፣ እንተ ኸይደ ግና፡ ንዕኡ ኽሰድደልኩም እየ። 8 ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ፦ 9 ፈለማ፡ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ፡+ ብዛዕባ ሓጢኣት፣+ 10 ቀጺሉ፡ ኣነ ናብ ኣቦ እኸይድ ስለ ዘለኹን ደጊም ስለ ዘይትርእዩንን፡ ብዛዕባ ጽድቂ፣ 11 ድሕሪኡ፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ፡ ብዛዕባ ፍርዲ።+ 12 “ገና ብዙሕ ዝነግረኩም ኣሎኒ፣ ግናኸ፡ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 13 እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡+ ንሱ* ዚሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ናብ ኵሉ ሓቂ ኺመርሓኩም፡ ነቲ ዚመጽእ እውን ኪነግረኩም እዩ።+ 14 ንሱ ኻባይ ተቐቢሉ፡ ንዓኻትኩም ስለ ዚነግረኩም፡+ ንዓይ ኬኽብረኒ እዩ።+ 15 እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ዅሉ፡ ናተይ እዩ።+ ስለዚ እየ ኻባይ ተቐቢሉ፡ ንዓኻትኩም ከም ዚነግረኩም እተዛረብኩ። 16 ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፣+ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም።” 17 ሽዑ፡ ገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ “እዚ፡ ‘ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፣ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም’ ድማ ‘ናብ ኣቦ እኸይድ ስለ ዘለኹ’ ዝበለናስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧” ተባሃሃሉ። 18 ስለዚ፡ “‘ቍሩብ ግዜ’ ኺብል ከሎስ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣይፈለጥናን” ይብሉ ነበሩ። 19 የሱስ ከኣ ኪሓትትዎ ይደልዩ ኸም ዝነበሩ ፈሊጡ ኸምዚ በሎም፦ “‘ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፣ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም’ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትተሓታተቱ ኣለኹም፧ 20 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ከተልቅሱን ኢኹም፡ ዓለም ግና ክትሕጐስ እያ፣ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ጓሂኹም ግና ናብ ሓጐስ ኪልወጥ እዩ።+ 21 ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ግዜኣ ስለ ዝኣኸለ ትጕሂ እያ፣ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሓጒሳ ነቲ ጸበባኣ ኣይትዝክሮን እያ። 22 እምበኣር፡ ንስኻትኩም እውን ሕጂ ጓሂ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፣ ልብኹም እውን ኪሕጐስ እዩ፣+ ሓጐስኩም ድማ ካባኻትኩም ዚወስዶ የልቦን። 23 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓንቲ እኳ ኣይክትሓትቱንን ኢኹም። ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንኣቦ ብስመይ+ ዝለመንኩምዎ ዘበለ+ ኺህበኩም እዩ። 24 ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ለምኑ እሞ ኽትረኽቡ ኢኹም። 25 “እዚ ብምሳሌታት ተዛረብኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ብግልጺ ዝነግረላ እምበር፡ ደጊም ብምሳሌታት ዘይዛረበላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ። 26 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፣ እዚ ኽብል ከለኹ፡ ኣነ ብዛዕባኹም ንኣቦ ኽልምኖ ማለተይ ኣይኰነን። 27 ከመይሲ፡ ንስኻትኩም ንዓይ ስለ ዝፈቶኹምንን+ ወኪል ኣምላኽ ኰይነ ኸም ዝመጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን፡+ ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ። 28 ወኪል ኣቦ ዀይነ መጺአ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ። ንዓለም ሓዲገ ድማ፡ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣለኹ።”+ 29 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ሕጂ ብግልጺ ትዛረብ ኣለኻ፡ ብምሳሌታት ከኣ ኣይትዛረብን ኣለኻ። 30 ኵሉ ኸም እትፈልጥን ሓደ እኳ ኺሓትተካ ኸም ዘየድልየካን፡ ሕጂ ፈሊጥና። በዚ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንኣምን ኢና” በልዎ። 31 የሱስ ከኣ፡ “ሕጂዶ ኣሚንኩም፧ 32 እንሆ፡ ኵላትኩም ነናብ ቤትኩም ፋሕ እትብሉላ፡ ንበይነይ እውን እትሓድጉኒ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡+ መጺኣ እኳ ኣላ። ግናኸ፡ ኣቦይ ምሳይ ስለ ዝዀነ፡ በይነይ ኣይኰንኩን።+ 33 ብኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እየ እዚ ዝነገርኩኹም።+ ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ኢሉ መለሰሎም።+ 6 ድሕርዚ፡ የሱስ ናብ ስግር ባሕሪ ገሊላ፡ ወይ ጢቤርያስ፡ ከደ።+ 2 ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ሕሙማት ብምሕዋይ ዝገበሮ ትእምርትታት ርእዮም ስለ ዝነበሩ፡+ ሰዓብዎ።+ 3 የሱስ ድማ ናብ ከረን ደየበ፣ ኣብኡ ኸኣ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ። 4 ፋስጋ፡+ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 5 የሱስ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣየ፡ ንፊልጶስ፡ “እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧” በሎ።+ 6 ግናኸ፡ እቲ ኺገብሮ ኢሉ ዝነበረ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ እዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍትኖ ኢሉ እዩ። 7 ፊልጶስ ከኣ፡ “ናይ 200 ዲናር* እንጌራ እኳ ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ” ኢሉ መለሰሉ። 8 ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፡ 9 “ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧” በሎ።+ "10 የሱስ ከኣ፡ “ኣቐምጥዎም” በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ድማ፡ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። እቶም ቍጽሮም ኣስታት 5,000 ዚኣኽሉ ሰብኡት ድማ ተቐመጡ።+" 11 የሱስ ድማ ነተን ጎጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ነቶም እተቐመጡ ዓደሎም፣ ካብቲ ንኣሽቱ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ኸከም ዝደለይዎ መቐሎም። 12 ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሓንቲ እኳ ኸይትባኽን፡ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም። 13 ስለዚ፡ ኣከብዎ፡ በቲ እቶም ዝበልዑ ዘትረፍዎ ቝርስራስ እተን ሓሙሽተ ጎጎ ስገም ከኣ 12 መሶብ መልኡ። 14 እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዝገበሮ ትእምርትታት ምስ ረኣዩ፡ “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ” በሉ።+ 15 የሱስ ድማ፡ መጺኦም ብሓይሊ ሒዞም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን+ ኣልገሰ።+ 16 ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ፣+ 17 ኣብ ጃልባ ደዪቦም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስ እውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ።+ 18 ብርቱዕ ንፋስ ስለ ዝነፈሰ ድማ፡ እቲ ባሕሪ ተናወጸ።+ 19 ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር* ዚኣክል ምስ ቀዘፉ ኸኣ፡ የሱስ ብባሕረ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ ርእዮም ፈርሁ። 20 ንሱ ግና፡ “ኣነ እየ፣ ኣይትፍርሁ” በሎም።+ 21 ሽዑ፡ ናብታ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩ፣ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ዝነበሩ ምድሪ በጽሐት።+ 22 ንጽብሒቱ፡ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ብዘይካ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ፡ ካልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፡ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይደየበ ረኣዩ። 23 ግናኸ፡ ጃለቡ ኻብ ጢቤርያስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ኣመስገነ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ። 24 ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ፡ የሱስ ኰነ ወይስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣዩ፡ ናብ ጃለቡኦም ደዪቦም፡ ንየሱስ ኪደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። 25 ኣብ ስግር እቲ ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ “መምህር፡*+ መዓስ ናብዚ መጺእካ፧” በልዎ። 26 የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እትደልዩኒ ዘለኹምሲ፡ ካብቲ ጎጎታት ስለ ዝበላዕኩምን ስለ ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ትእምርትታት ስለ ዝረኣኹም ኣይኰንኩምን።+ 27 ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ፣+ ከመይሲ፡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ንዕኡ ዘለዎ ስምረት ንምግላጽ ሓቲምዎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 28 ስለዚ፡ ንሳቶም፡ “ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧” በልዎ። 29 የሱስ ከኣ፡ “ግብሪ ኣምላኽ፡ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።+ 30 ስለዚ፡ “ርኢና ኽንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ ትገብር ኣለኻ፧+ እንታይ ግብሪኸ ትገብር ኣለኻ፧ 31 ኣቦታትና፡ ከምቲ፡ ‘ኪበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም’+ ተባሂሉ እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በሊዖም እዮም” በልዎ።+ 32 የሱስ ድማ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ነቲ ናይ ሓቂ እንጌራ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ። 33 ከመይሲ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድን ንዓለም ህይወት ዚህብን እዩ እቲ ናይ ኣምላኽ እንጌራ” በሎም። 34 ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “ጐይታይ፡ ነቲ እንጌራ እቲ ዅሉ ሳዕ ሃበና” በልዎ። 35 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። እቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ኣይኪጠምን፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን እውን ከቶ ኣይኪጸምእን እዩ።+ 36 ግናኸ፡ ኢለኩም ኣለኹ፡ ርኢኹምኒ እኳ ኣይኣመንኩምንን።+ 37 ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ፡ ናባይ ኪመጽእ እዩ፣ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ኣይክሰጕጎን እየ፣+ 38 ምኽንያቱ፡ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን+ ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።+ 39 ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ፡ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስእ እምበር፡+ ንሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። 40 ንወዲ ኣለልዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህልዎ፡+ ኣነ እውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ፡+ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።” 41 ሽዑ፡ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ” ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ኣጕረምረሙሉ።+ 42 “እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧+ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ፡ ‘ካብ ሰማይ ወሪደ’ ይብል ኣሎ፧” በሉ። 43 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ደጊም ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ። 44 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፣+ ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።+ 45 ኣብ ነብያት፡ ‘ኵላቶም ብየሆዋ* ኺምሃሩ እዮም’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ።+ እቲ ኻብ ኣቦ ዝሰምዐን እተማህረን ዘበለ፡ ናባይ ይመጽእ። 46 ብዘይካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ንኣቦ ዝረኣዮ የልቦን፣+ ንሱ ንኣቦ ርእይዎ እዩ።+ 47 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ።+ 48 “እንጌራ ህይወት ኣነ እየ።+ 49 ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በሊዖም እዮም፣ ግናኸ ሞይቶም እዮም።+ 50 ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። 51 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ፣ እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።”+ 52 ሽዑ፡ ኣይሁድ፡ “እዝስ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይኽእል፧” ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። 53 የሱስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኩም፡ ደሙ እውን እንተ ዘይሰቲኹም፡ ብርእስኹም ህይወት የብልኩምን።+ 54 ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ ኣነ እውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ፣+ 55 ስጋይሲ ናይ ሓቂ ምግቢ እዩ፡ ደመይ ከኣ ናይ ሓቂ መስተ እዩ። 56 እቲ ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ ምሳይ ሓድነት ይህልዎ፣ ኣነ እውን ምስኡ ሓድነት ይህልወኒ።+ 57 ከምቲ ህያው ኣቦ ዝለኣኸኒ እሞ፡ ኣነ ሳላ ኣቦ ብህይወት ዝነብር ዘለኹ፡ እቲ ዚበልዓኒ እውን ሳላይ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ 58 እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ፡ ግናኸ ዝሞቱ ኣይኰነን። እቲ ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።”+ 59 ኣብ ቅፍርናሆም፡ ኣብ ምኵራብ* ኪምህር ከሎ እዩ እዚ ዝበለ። 60 ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ዜሰምብድ እዩ፣ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ። 61 የሱስ ድማ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ የጕረምርሙ ኸም ዝነበሩ ብልቡ ፈሊጡ፡ “እዚዶ ይዕንቅፈኩም እዩ፧ 62 ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ እንታይ ምበልኩም፧+ 63 መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፣+ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን እተዛረብኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን፡ ህይወት እውን እየን።+ 64 ገለ ኻባኻትኩም ግና ዘይኣምኑ ኣለዉ” በሎም። ምኽንያቱ፡ የሱስ፡ እቶም ዘይኣምኑ መን ምዃኖም፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ እውን መን ምዃኑ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ፈሊጡ ነበረ።+ 65 ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ስለዚ ድማ እየ፡ ‘እቲ ኻብ ኣቦ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን’ ዝበልኩኹም” በሎም።+ 66 ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ፡+ ደጊም እውን ምስኡ ኣይተመላለሱን። 67 ስለዚ፡ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም፧” በሎም። 68 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡+ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧+ 69 ንስኻ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ።+ 70 የሱስ ድማ፡ “ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹም ደይኰንኩን ሓርየኩም፧+ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ሓማዪ* እዩ” ኢሉ መለሰ።+ 71 ብዛዕባ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ፣ ንሱስ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣሕሊፉ ዚህቦ ነበረ።+ 10 “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ደኣ ዚሓኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ።+ 2 እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።+ 3 እቲ ሓላው ማዕጾ ንዕኡ ይኸፍተሉ፣+ እተን ኣባጊዕ እውን ድምጹ ይሰምዓ።+ ንኣባጊዑ ኸኣ ብስመን ጸዊዑ የውጽአን። 4 ንዅላተን ምስ ኣውጽአን፡ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕ እውን ድምጹ ስለ ዜለልያ፡ ይስዕባኦ። 5 ድምጺ ጓና ስለ ዘይፈልጣ፡ ካብኡ ይሃድማ እምበር፡ ንጓናስ ከቶ ኣይስዕባኦን እየን።” 6 የሱስ እዚ ምሳሌ እዚ መሰለሎም፣ ንሳቶም ግና ነቲ ዚዛረቦም ዝነበረ ኣይተረድእዎን። 7 ሽዑ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ እየ።+ 8 ኵሎም እቶም ንዓይ መሲሎም ዚመጹ ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፣ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን። 9 እቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፣ ብኣይ ዚኣቱ ዘበለ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን፡ መጓሰዪ እውን ኪረክብ እዩ።+ 10 ሰራቒ ኺሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይመጽእን እዩ።+ ኣነ ግና፡ ንሳተን ህይወት ምስ ተረፋ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ። 11 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፣+ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ* ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፉ ይህባ።+ 12 እቲ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕ እውን ናቱ ዘይኰና ዕሱብ ግና፡ ተዅላ ኺመጽእ ርእዩ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲግወን ይሃድም፣ እቲ ተዅላ ድማ ይምንዝዐንን ፋሕ የብለንን። 13 ምኽንያቱ፡ ዕሱብ እዩ፡ ግዲ እተን ኣባጊዕ እውን የብሉን። 14 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ንኣባጊዐይ እፈልጠን፡ ኣባጊዐይ እውን ይፈልጣኒ እየን፣+ 15 እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቦ ንዓይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነ እውን ንኣቦ ዝፈልጦ እዩ፣+ ንህይወተይ* ከኣ ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፈ እህባ እየ።+ 16 “ካብዚ ደምበ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕ እውን ኣለዋኒ፣+ ንዓታተን ድማ ከምጽአን ኣሎኒ፡ ድምጸይ እውን ኪሰምዓ እየን፣ ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን፡ ጓሳአን እውን ሓደ።+ 17 ኣነ ንህይወተይ* መሊሰ ምእንቲ ኽረኽባ፡ ኣሕሊፈ ስለ ዝህባ፡+ ስለዚ እዩ ኣቦ ዜፍቅረኒ።+ 18 ባዕለይ እየ ኣሕሊፈ ዝህባ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። ኣሕሊፈ ኽህባ ስልጣን ኣሎኒ፣ መሊሰ ኽረኽባ እውን ስልጣን ኣሎኒ።+ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ ተቐቢለያ።” 19 ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ፍልልይ ኰነ።+ 20 ብዙሓት ካባታቶም፡ “ጋኔን ኣለዎ፡ ጽሉል ከኣ እዩ። ስለምንታይ ትሰምዕዎ ኣለኹም፧” ይብሉ ነበሩ። 21 ካልኦት ግና፡ “እዚ፡ ዘረባ ጋኔን ዝሓዞ ሰብ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይኽእል እዩ፧” በሉ። 22 ሽዑ፡ ኣብ የሩሳሌም በዓል ወፈያ ዀነ። ክረምቲ ኸኣ ነበረ፣ 23 የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይኸይድ ነበረ።+ 24 ሽዑ፡ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሰንፈላል ክትገብረና፧* ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ብግልጺ ንገረና” በልዎ። 25 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ነጊረኩምሲ፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። እቲ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ብዛዕባይ ይምስክር እዩ።+ 26 ንስኻትኩም ግና፡ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም።+ 27 ኣባጊዐይ ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ እፈልጠን፡ ንሳተን እውን ይስዕባኒ እየን።+ 28 ኣነ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፡+ ንዘለኣለም ድማ ከቶ ኣይኪጠፍኣን እየን፣ ካብ ኢደይ ዚምንዝዐን እውን የልቦን።+ 29 እቲ ኣቦይ ዝሃበኒ፡ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ፣ ካብ ኢድ ኣቦ ኺምንዝዐን ዚኽእል ከኣ የልቦን።+ 30 ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።”*+ 31 ሽዑ፡ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ፡ ከም ብሓድሽ ኣእማን ኣልዓሉ። 32 የሱስ ከኣ፡ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርእየኩም እየ። ስለ ኣየኖት ግብርታት ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ፧” በሎም። 33 ኣይሁድ ድማ፡ “ስለ እተጻረፍካ፡+ ሰብ ክነስኻ፡ ርእስኻ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ እምበር፡ ስለቲ ሰናይ ግብርኻስ ኣይኰንናን ብዳርባ እምኒ እንቐትለካ” ኢሎም መለሱሉ። 34 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣብ ሕግኹም፡ ‘ኣነ፡ “ኣማልኽቲ* ኢኹም” ኢለ’ ዚብል ጽሑፍዶ የልቦን፧+ 35 ነቶም ኣንጻሮም ቃል ኣምላኽ ዝመጾም፡ ‘ኣማልኽቲ’ ኻብ ዚብሎም፡+—ቅዱስ ጽሑፍ ከኣ ኪፈርስ ዘይክእል ካብ ኰነ፡— 36 ንዓይ፡ ኣቦ ንዝቐደሰኒ፡ ናብ ዓለም እውን ንዝለኣኸኒ ደኣ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ’ ስለ ዝበልኩዶ፡ ‘ትጻረፍ ኣለኻ’ ትብሉኒ ኣለኹም፧+ 37 ግብርታት ኣቦይ እገብር እንተ ዘየለኹ፡ ኣይትእመኑኒ። 38 እገብር እንተ ኣለኹ ግና፡ ኣቦ ምሳይ ሓድነት ከም ዘለዎን ኣነ ምስ ኣቦ ሓድነት ከም ዘሎንን ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትግንዘቡንሲ፡+ ንዓይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብርታት እመንዎ።”+ 39 ሽዑ፡ ከም ብሓድሽ ኪሕዝዎ ፈተኑ፣ ንሱ ግና ካብ ኢዶም ኣምለጠ። 40 ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ዜጥምቐላ ዝነበረ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ እትርከብ ቦታ ኸደ፣+ ኣብኣ እውን ጸንሐ። 41 ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፡ “ዮሃንስ ሓንቲ ትእምርቲ እኳ ኣይገበረን፣ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ እተዛረቦ ዅሉ ግና፡ ሓቂ እዩ” በሉ።+ 42 ኣብኣ እውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። 14 “ልብኹም ኣይረበሽ።+ ብኣምላኽ እመኑ፡+ ብኣይ እውን እመኑ። 2 ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ። እንተ ዘይህሉስ፡ ምነገርኩኹም ነይረ፣ ቦታ ኸዳልወልኩምሲ እኸይድ ኣለኹ።+ 3 ከይደ ቦታ ዘዳልወልኩም ካብ ኰንኩ፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ተመሊሰ ኽመጽእን ናባይ ክወስደኩምን እየ።+ 4 እቲ ዝኸዶ እውን፡ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም።” 5 ቶማስ+ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና። ነቲ መገዲ ኸመይ ጌርና ኽንፈልጦ ንኽእል፧” በሎ። 6 የሱስ ከኣ፡ “መገድን+ ሓቅን+ ህይወትን ኣነ እየ።+ ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።+ 7 ንዓይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ንኣቦይ እውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ትፈልጥዎ ኢኹም፡ ርኢኹምዎ እውን ኣለኹም” በሎ።+ 8 ፊልጶስ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንኣቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና” በሎ። 9 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ፊልጶስ፡ ክንድዚ ዚኣክል ግዜ ምሳኻትኩም ከለኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ።+ ከመይ ኢልካኸ፡ ‘ንኣቦ ኣርእየና’ ትብል ኣለኻ፧ 10 ኣነ ምስ ኣቦይ ሓድነት ከም ዘሎኒ፡ ኣቦ እውን ምሳይ ሓድነት ከም ዘለዎ ኣይትኣምንን ዲኻ፧+ እቲ ምሳይ ሓድነት ዘለዎ ኣቦ ደኣ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝነግረኩም፡ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ።+ 11 ኣነ ምስ ኣቦ ሓድነት ከም ዘሎኒ፡ ኣቦ እውን ምሳይ ሓድነት ከም ዘለዎ እመኑኒ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እመኑ።+ 12 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ስለ ዘለኹ፡+ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ንሱ እውን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ኪገብር እዩ፣ ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት እውን ኪገብር እዩ።+ 13 ኣቦ ብወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኽገብረልኩም እየ።+ 14 ብስመይ ገለ እንተ ለሚንኩም፡ ክገብሮ እየ። 15 “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ክትሕልዉ ኢኹም።+ 16 ኣነ ኸኣ ንኣቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚኸውን ካልእ ሓጋዚ* ኺህበኩም እዩ፣+ 17 እዚ ኸኣ እቲ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ብምዃና፡+ ክትቅበሎ ዘይትኽእል መንፈስ ሓቂ እዩ።+ ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ስለ ዚሓድርን ኣባኻትኩም ስለ ዘሎን፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። 18 ኣብ ሓዘን* ኣይክሓድገኩምን እየ። ክመጸኩም እየ።+ 19 ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፣ ንስኻትኩም ግና፡ ኣነ ህያው ስለ ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩም እውን ህያዋን ስለ እትዀኑ፡ ክትርእዩኒ ኢኹም።+ 20 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣነ ምስ ኣቦይ ሓድነት ከም ዘሎኒ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ ሓድነት ከም ዘሎኩም፡ ኣነ እውን ምሳኻትኩም ሓድነት ከም ዘሎኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።+ 21 እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። እቲ ዜፍቅረኒ ድማ፡ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነ ኸኣ አፍቅሮ፡ ርእሰይ እውን እገልጸሉ እየ።” 22 እቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኰነ ይሁዳ+ ድማ፡ “ጐይታይ፡ እንታይ ስለ ዝዀነ ኢኻ ርእስኻ ንዓለም ዘይኰነስ፡ ንዓና ኽትገልጽ ዝሓሰብካ፧” በሎ። 23 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፣+ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ እዩ፣ ናብኡ እውን ክንመጽእ፡ ምስኡ ኸኣ ክንነብር ኢና።+ 24 እቲ ዘየፍቅረኒ፡ ቃለይ ኣይሕሉን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከኣ፡ ናይቲ ዘለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።+ 25 “ገና ምሳኻትኩም ከለኹ፡ እዚ ነጊረኩም ኣለኹ። 26 እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ ሓጋዚ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ እውን ኬዘክረኩም እዩ።+ 27 ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይ እውን እህበኩም ኣለኹ።+ ከምቲ ዓለም እትህቦ ገይረ ኣይኰነን ዝህበኩም። ልብኹም ኣይረበሽ፡ ኣይፍራህ ከኣ። 28 ‘ኣነ ክኸይድ፡ ናባኻትኩም እውን ክምለስ እየ’ ኸም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ካባይ ኣቦ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም።+ 29 ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም ኣለኹ።+ 30 ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ+ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይክዛረብን እየ። ንሱ ኣባይ ዋላ ሓንቲ ስልጣን የብሉን።*+ 31 ግናኸ፡ ኣነ ንኣቦ ኸም ዘፍቅሮ፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እውን ከም ዝገብር፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ከምኡ እገብር ኣለኹ።+ ተንስኡ፡ ካብዚ ንኺድ። 9 ኪሓልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣየ። 2 ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ “መምህር፡*+ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ፡ መን እዩ ዝሓጥአ፧ ንሱ ድዩ ወይስ ወለዱ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 3 የሱስ ከኣ፡ “ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺግሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይሓጥአ፡ ወለዱ ኣይሓጥኡ።+ 4 መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽንገብር ይግብኣና እዩ፣+ ሓደ እኳ ኺዓይየላ ዘይክእል ለይቲ ትመጽእ ኣላ። 5 ኣነ ኣብ ዓለም ክሳዕ ዘለኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ”+ ኢሉ መለሰሎም። 6 እዚ ምስ በለ፡ ኣብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ በቲ ጥፍጣፍ ጸብሪ ገበረ፣ በቲ ጸብሩ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ሰብኣይ ለኸየ+ 7 እሞ፡ “ኣብ ሓጽቢ ሰሊሆም (ትርጉሙ “እተላእከ” እዩ) ኬድካ ተሓጸብ” በሎ። ከይዱ ተሓጽበ፡ እናረኣየ እውን ተመልሰ።+ 8 ስለዚ፡ እቶም ጐረባብትን እቶም ቀደም ለማኒ ኸሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፡ “እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧” በሉ። 9 ገሊኣቶም፡ “ንሱ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ካልኦት ከኣ፡ “ኣይኰነን፡ ንዕኡ ደኣ ይመስል” ይብሉ ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ እየ” ይብሎም ነበረ። 10 ስለዚ፡ ንሳቶም፡ “ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፊተን፧” ኢሎም ሓተትዎ። 11 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኽዩ፡ ‘ናብ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ’ ኢሉኒ።+ ኣነ እውን ከይደ ምስ ተሓጸብኩ፡ ክርኢ ኽኢለ” በሎም። 12 ንሳቶም ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይፈልጥን” በሎም። 13 ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ፡ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። 14 ብኣጋጣሚ፡ እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ፡+ ሰንበት ነበረት።+ 15 ስለዚ፡ ፈሪሳውያን እውን ነቲ ሰብኣይ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ጸብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገይሩለይ፡ ምስ ተሓጸብኩ ድማ ክርኢ ኽኢለ” በሎም። 16 ሽዑ፡ ገለ ኻብቶም ፈሪሳውያን፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ሰንበት ካብ ዘየኽብርሲ፡ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን” በሉ።+ ካልኦት ድማ፡ “ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ትእምርትታት ኪገብር ይኽእል፧” በሉ።+ ኣብ መንጎኦም ከኣ ፍልልይ ኰነ።+ 17 ሽዑ፡ ነቲ ዕዉር ከም ብሓድሽ፡ “ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧” በልዎ። ንሱ ድማ፡ “ነብዪ እዩ” በሎም። 18 ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመኑን። 19 ንዓታቶም ከኣ፡ “እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ፧ ሕጂ ደኣ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ፧” ኢሎም ሓተትዎም። 20 ወለዱ ድማ፡ “እዚ ወድና ምዃኑን ብዕዉሩ ኸም እተወልደን ንፈልጥ ኢና። 21 ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኸም ዘሎ ግና ኣይንፈልጥን ኢና፣ ወይስ መን ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ንዕኡ ሕተትዎ። ንሱ በጽሒ እዩ። ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ” ኢሎም መለሱ። 22 ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንእተኣመነ ኻብ ምኵራቦም ኬውጽእዎ ተሰማሚዖም ነበሩ እሞ፡+ ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ።+ 23 ስለዚ ኸኣ እዮም ወለዱ፡ “ንሱ በጽሒ እዩ። ንዕኡ ሕተትዎ” ዝበሉ። 24 ሽዑ፡ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና” በልዎ። 25 ንሱ ኸኣ፡ “ኣነስ፡ ሓጥእ እንተ ዀይኑ ኣይፈልጥን እየ። ዕዉር ከም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ግና እርኢ ኸም ዘለኹ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ” ኢሉ መለሰ። 26 ሽዑ፡ ንሳቶም፡ “እንታይ እዩ ገይሩልካ፧ ከመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ፧” በልዎ። 27 ንሱ ኸኣ፡ “ነጊረኩምሲ፡ ኣይሰማዕኩምን። ስለምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም፧ ንስኻትኩም እውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣለኹም፧” ኢሉ መለሰሎም። 28 ንሳቶም ከኣ ጸረፍዎ፡ “ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፣ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። 29 ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ ንፈልጥ ኢና፣ እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና” እውን በልዎ። 30 እቲ ሰብኣይ ድማ፡ “ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ብሓቂ ዜገርም እዩ፣ ንዓይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። 31 ንኣምላኽ ዚፈርህን ፍቓዱ ዚገብርን እንተሎ፡ ንዕኡ ይሰምዖ እምበር፡+ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና።+ 32 ብዕዉሩ ንእተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ኸቶ ኣይተሰምዐን። 33 እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ እኳ ኺገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ”+ ኢሉ መለሰሎም። 34 ንሳቶም ከኣ፡ “ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፣ ንስኻዶ ንዓና ትምህረና፧” ኢሎም መለሱሉ። ሰጐጕዎ ድማ።+ 35 የሱስ ከም ዝሰጐጕዎ ሰምዐ፣ ምስ ረኸቦ ኸኣ፡ “ብወዲ ሰብዶ ትኣምን ኢኻ፧” በሎ። 36 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ፡ መን እዩ ንሱ፧” ኢሉ መለሰ። 37 የሱስ ድማ፡ “ርኢኻዮ ኢኻ፣ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ እኳ ንሱ እዩ” በሎ። 38 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ እኣምን እየ” በለ። ሰገደሉ* እውን። 39 የሱስ ድማ፡ “ኣነ፡ እቶም ዘይርእዩ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡+ ነዚ ፍርዲ እዚ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ዝመጻእኩ” በለ።+ 40 ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን፡ እዚ ሰሚዖም፡ “ንሕናኸ ዕዉራት ዲና፧” በልዎ። 41 የሱስ ድማ፡ “ዕዉራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ‘ንርኢ ኢና’ ትብሉ ኣለኹም። ስለዚ፡ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር” በሎም።+ 13 የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ+ ሰዓቱ ኸም ዝኣኸለት ስለ ዝፈለጠ፡+ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።+ 2 ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን፡ ኣሕሊፉ ኺህቦ+ ድሮ ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ።+ 3 የሱስ ከኣ ኣቦ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦን ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸን ናብ ኣምላኽ ከም ዚኸይድን ፈሊጡ፡+ 4 ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ። ዓለባ ኣልዒሉ እውን ተዓጥቀ።+ 5 ድሕሪኡ፡ ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሓጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኼንቅጽን ጀመረ። 6 ናብ ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ መጸ። ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፧” በሎ። 7 የሱስ ከኣ፡ “እቲ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፡ ሕጂ ኣይትርድኦን ኢኻ፣ ድሕርዚ ግና ክትርድኦ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 8 ጴጥሮስ ድማ፡ “ከቶ ኣእጋረይ ኣይክትሓጽበንን ኢኻ” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እንተ ዘይሓጺበካስ፡+ ምሳይ ግደ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ። 9 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን እውን ሕጸበኒ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን” በሎ። 10 የሱስ ከኣ፡ “እቲ እተሓጽበ፡ ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እምበር፡ ብዘይካ ኣእጋሩ፡ ኪሕጸብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ንጹሃት ኢኹም፣ ግናኸ፡ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን” በለ። 11 ከመይሲ፡ ነቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይፈልጦ ነበረ።+ ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን” ዝበለ። 12 ኣእጋሮም ምስ ሓጸበን ክዳውንቱ ምስ ተኸድነን፡ ከም ብሓድሽ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸምዚ በሎም፦ “እንታይ ከም ዝገበርኩልኩምሲ ተረዲእኩምዶ፧ 13 ንስኻትኩም፡ ‘መምህር’ን ‘ጐይታ’ን ትብሉኒ ኣለኹም፣ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ቅኑዕ ትዛረቡ ኣለኹም።+ 14 እምበኣር፡ ኣነ ጐይታን መምህርን ክነሰይ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ፡+ ንስኻትኩም እውን ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም።*+ 15 ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።+ 16 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን፡ ልኡኽ እውን ካብ ለኣኺኡ ኣይዓብን እዩ። 17 ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ 18 ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፣ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ። ግናኸ፡ እቲ፡ ‘እቲ እንጌራይ ዚበልዕ ዝነበረ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዒሉ’*+ ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ።+ 19 ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ኻብ ሕጂ እነግረኩም ኣለኹ።+ 20 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ንዝለኣኽክዎ ዚቕበል፡ ንዓይ እውን ይቕበለኒ።+ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ።”+ 21 የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ተረቢሹ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” ኢሉ መስከረ።+ 22 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ።+ 23 ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡+ ኣብ ጥቓ* የሱስ ተቐሚጡ ነበረ። 24 ስለዚ፡ ስምኦን ጴጥሮስ ንዕኡ፡ ብርእሱ እናኣመልከተ፡ “ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ንገረና” በሎ። 25 ንሱ ኸኣ ናብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ፡ “ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፧” በሎ።+ 26 የሱስ ከኣ፡ “እቲ ኣነ ቝራስ ኣጥሊቐ ዝህቦ እዩ” ኢሉ መለሰ።+ ሽዑ፡ ቍራስ ኣጥሊቑ ንይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ ሃቦ። 27 ይሁዳ እታ ቝራስ ምስ ወሰደ፡ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ።+ ሽዑ፡ የሱስ፡ “እቲ እትገብሮ ዘለኻ፡ ቀልጢፍካ ግበሮ” በሎ። 28 ካብቶም ኣብቲ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ግና፡ ስለምንታይ እዚ ኸም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ኣይፈለጠን። 29 ገሊኣቶም፡ ሳጹን ገንዘብ ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፡+ የሱስ፡ “ንበዓል ዜድልየና ዓድግ” ዝበሎ ወይ ንድኻታት ገለ ኺህብ ዝነገሮ መሲልዎም ነበረ። 30 ንሱ ኸኣ ነታ ቝራስ ምስ ተቐበለ፡ ብኡብኡ ወጸ። ለይቲ እውን ነበረ።+ 31 ንሱ ምስ ወጸ፡ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ሕጂ ወዲ ሰብ ከቢሩ እዩ፣+ ኣምላኽ እውን ብእኡ ኸቢሩ እዩ። 32 ኣምላኽ ባዕሉ ኸኣ ኬኽብሮ እዩ፣+ ብኡብኡ እውን ኬኽብሮ እዩ። 33 ደቀየ፡ ቍሩብ ግዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ። ክትደልዩኒ ኢኹም፣ ከምቲ ንኣይሁድ፡ ‘ናብቲ ዝኸዶ ኽትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝበልክዎም ድማ፡+ ንዓኻትኩም እውን እብለኩም ኣለኹ። 34 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡+ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።+ 35 ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”+ 36 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 37 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ስለምንታይ እየ ሕጂ ኽስዕበካ ዘይክእል፧ ህይወተይ* ምእንታኻ ኣሕሊፈ ኽህብ እየ” በለ።+ 38 የሱስ ድማ፡ “ንህይወትካዶ* ምእንታይ ኣሕሊፍካ ኽትህብ ኢኻ፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሰለስተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደንስ፡ ደርሆ ኸቶ ኣይኪንቁን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 5 ድሕርዚ፡ በዓል ኣይሁድ ነበረ፣+ የሱስ እውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2 ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡+ ብእብራይስጢ ቤት-ዛታ ዚብሃል፡ ሓሙሽተ ገበላ ዝነበሮ ሓጽቢ ነበረ። 3 ኣብኡ ብዙሓት ሕሙማትን ዕዉራትን ሓንካሳትን መሓውሮም ዝነቐጸን* ይድቅሱ ነበሩ። 4 *—— 5 38 ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። 6 የሱስ ድማ ንዕኡ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ እዋን ከም ዝሓመመ ፈሊጡ፡ “ክትጥዒዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሎ።+ 7 እቲ ሕሙም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ሓጽቢ ዜእትወኒ ሰብ የብለይን፣ ኣነ ኽሳዕ ዝኸይድ ድማ፡ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ። 8 የሱስ ከኣ፡ “ተንስእ፡ ምንጻፍካ* ኣልዒልካ ኺድ” በሎ።+ 9 እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ጠዓየ፣ ምንጻፉ* ኣልዒሉ እውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት። 10 ስለዚ፡ ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፡ “ሎሚ ሰንበት እዩ፣ ምንጻፍካ* ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን” በልዎ።+ 11 ንሱ ግና፡ “እቲ ዘጥዓየኒ እዩ፡ ‘ምንጻፍካ* ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። 12 ንሳቶም፡ “እቲ፡ ‘ኣልዒልካዮ ኺድ’ ዝበለካ ሰብ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 13 እቲ ዝሓወየ ግና፡ የሱስ ናብ መንጎ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኣትዩ ብምንባሩ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጦን። 14 ድሕርዚ፡ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፡ “እንሆ፡ ጥዒኻ። ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትሕጣእ” በሎ። 15 እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘጥዓዮ የሱስ ምዃኑ ነገሮም። 16 ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ይገብር ስለ ዝነበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጕግዎ ነበሩ። 17 ንሱ ግና፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፣ ኣነ እውን እዓዪ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሎም።+ 18 ስለዚ፡ ሰንበት ብምጥሓሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ኣቦይ ብምባል+ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ እውን፡+ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። 19 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ወድስ ኣቦ ኺገብሮ ዝረኣዮ ጥራይ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።+ እቲ ንሱ ዚገብሮ፡ ወዲ እውን ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። 20 ኣቦ ንወዲ ይፈትዎ፡+ ንሱ ዚገብሮ ዅሉ ድማ የርእዮ እዩ፣ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ ኸኣ፡ ካብዚ ዚዓቢ ግብርታት ኬርእዮ እዩ።+ 21 ከምቲ ኣቦ ንምዉታት ዜተንስኦምን ህያዋን ዚገብሮምን፡+ ወዲ እውን ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።+ 22 ኣቦስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ፣ የግዳስ፡ ኵሉ ፍርዲ ንወዲ ሂብዎ እዩ፣+ 23 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ኵላቶም ከምቲ ንኣቦ ዜኽብርዎ፡ ንወዲ እውን ምእንቲ ኬኽብርዎ እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ እውን ኣየኽብሮን እዩ።+ 24 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ቓለይ ዚሰምዕን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣+ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳጊሩ ኣሎ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኣይበጽሕን እዩ።+ 25 “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፣ እቶም ዝሰምዕዎ ድማ ብህይወት ኪነብሩ እዮም። 26 ከምቲ ኣቦ ብርእሱ ህይወት ዘላቶስ፡*+ ንወዲ እውን ብርእሱ ህይወት ክትህልዎ ሂብዎ እዩ።+ 27 ንሱ ወዲ ሰብ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡+ ኪፈርድ ስልጣን ሂብዎ እዩ።+ 28 ኣብ መቓብር* ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ እሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ።+ 29 ሽዑ፡ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እቶም ክፉእ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም።+ 30 ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይክእልን እየ። ኣነ ኸምቲ ዝሰምዖ እየ ዝፈርድ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ስለ ዘይደሊ ኸኣ፡+ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ።+ 31 “ኣነ በይነይ ብዛዕባ ርእሰይ እንተ መስኪረ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ።+ 32 ብዛዕባይ ዚምስክር ካልእ ኣሎ፣ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክርነት ከኣ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ እየ።+ 33 ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ልኢኽኩም፣ ንሱ ድማ ንሓቂ እዩ መስኪሩ።+ 34 እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል ኣለኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ኣይቅበልን እየ። 35 ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ እዩ ነይሩ፣ ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ንቝሩብ ግዜ ባህ ኪብለኩም ደለኹም።+ 36 ግናኸ፡ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ዝሃበኒ ዕዮ፡ እዚ ኣነ እውን ዝገብሮ ዘለኹ ዕዮ፡ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር ኣሎኒ።+ 37 እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ኸኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስኪሩ እዩ።+ ንስኻትኩም ድምጹ ኸቶ ኣይሰማዕኩምን፡ ምስሉ እውን ኣይረኣኹምን፣+ 38 በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘይኣመንኩም ከኣ፡ ቃሉ ኣባኻትኩም ኣይሓደረን። 39 “ብቕዱሳት ጽሑፋት ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ ስለ ዝመሰለኩም፡ ትምርምርዎ ኣለኹም፣+ እዚ* ኸኣ ብዛዕባይ እዩ ዚምስክር።+ 40 ህይወት ኪህልወኩም ኢልኩም ናባይ ክትመጹ ግና ኣይትደልዩን ኢኹም።+ 41 ካብ ሰብ ክብሪ ኣይቅበልን እየ፣ 42 ኣብ ውሽጥኹም ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዘይብልኩም ግና፡ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። 43 ኣነ ብስም ኣቦይ እየ መጺአ፡ ንስኻትኩም ግና ኣይተቐበልኩምንን። ካልእ ብስም ርእሱ እንተ ዚመጽእ፡ ንዕኡ ምተቐበልኩምዎ ኔርኩም። 44 ካብ ንሓድሕድኩም ክብሪ እናተቐበልኩምን ነቲ ኻብ ሓደ ኣምላኽ ዚርከብ ክብሪ ኸይደለኹምን፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ፧+ 45 ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸስሰኩም ኣይምሰልኩም፣ ዚኸስሰኩምሲ ኣሎ፣ ንሱ ድማ እቲ ተስፋ ዝገበርኩምሉ ሙሴ እዩ።+ 46 ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንዓይ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።+ 47 ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ንቓለይ ክትኣምንዎ፧” 21 ድሕርዚ፡ የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጢቤርያስ ከም ብሓድሽ ተጋህደሎም።* በዚ ኸምዚ እውን ተጋህደሎም። 2 ስምኦን ጴጥሮስን እቲ ማንታ ዚብሃል ቶማስን+ ናትናኤል+ ብዓል ቃና ናይ ገሊላን ደቂ ዘብዴዎስን+ ክልተ ኻልኦት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓባር ነበሩ። 3 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ “ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕና እውን ምሳኻ ኽንከይድ ኢና” በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ደየቡ፣ በታ ለይቲ እቲኣ ግና ሓደ እኳ ኣይሓዙን።+ 4 ኪወግሕ ምስ በለ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና የሱስ ምዃኑ ኣየለለይዎን ነበሩ።+ 5 ሽዑ፡ የሱስ፡ “ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ* የብልኩምን፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ሽዑ፡ ንሳቶም ደርበይዎ፣ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ግና፡ ኪስሕብዎ ኣይከኣሉን።+ 7 ሽዑ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር+ ንጴጥሮስ፡ “ጐይታና እዩ!” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፡ ጥራዩ* ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዓጢቑ፡ ናብ ባሕሪ ዘለለ። 8 እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ኣስታት 90 ሜተር* ጥራይ እምበር፡ ብዙሕ ርሒቖም ስለ ዘይነበሩ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናጐተትዎ፡ በታ ንእሽቶ ጃልባ መጹ። 9 ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ግና፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራን ረኣዩ። 10 የሱስ ከኣ፡ “ካብዚ ሕጂ ዝሓዝኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ” በሎም። 11 ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ደዪቡ፡ ነቲ 153 ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ ናብ ምድሪ ጐተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐድደን። 12 የሱስ ድማ፡ “ንዑ ቝረሱ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፡ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ኺሓትቶ ዝደፈረ ኣይነበረን። 13 የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሃቦም፣ ከምኡ እውን ነቲ ዓሳ። 14 የሱስ ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ እተጋህደሎም፡ እዚ ሳልሳይ ሳዕ እዩ።+ 15 ምስ ቈረሱ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ፡ “ዕያውተይ ኣብልዕ” በሎ።+ 16 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ካልኣይ ሳዕ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ተፍቅረኒ ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እወ ጐይታይ፡ ከም ዝፈትወካ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ እውን፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” በሎ።+ 17 ሳልሳይ ሳዕ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ትፈትወኒ ዲኻ፧” በሎ። ጴጥሮስ ከኣ፡ ሳልሳይ ሳዕ፡ “ትፈትወኒ ዲኻ፧” ኢሉ ስለ ዝሓተቶ ጕህዩ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፣ ከም ዝፈትወካ እውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ።+ 18 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ብንእስነትካ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኽትዝርግሕ፡ ካልእ እውን ኬዕጥቐካ፡ ናብ ዘይደለኻዮ እውን ኪወስደካ እዩ” በሎ። 19 ብኸመይ ዝበለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ኼመልክት ኢሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ “ብቐጻሊ ስዓበኒ” በሎ።+ 20 ጴጥሮስ ግልጽ ኢሉ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ፣+ ንሱ ኸኣ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ እተጸግዐን “ጐይታይ፡ መን እዩ ኣሕሊፉ ዚህበካ፧” ዝበሎን እዩ። 21 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ንዕኡ ምስ ረኣዮ፡ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ እዚኸ፧” በሎ። 22 የሱስ ከኣ፡ “ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንሱ ኺጸንሕ እንተ ደልየስ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ ንስኻ ግዳ ብቐጻሊ ስዓበኒ” በሎ። 23 ስለዚ፡ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፡ “ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንሱ ኺጸንሕ እንተ ደልየስ፡ እንታይ ገዲሱካ፧” ደኣ እዩ ዝበለ እምበር፡ ከም ዘይመውትሲ ኣይተዛረቦን። 24 እቲ ብዛዕባ እዚ ዝመስከረን ዝጸሓፈን ወደ መዝሙር፡ እዚ እዩ፣+ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንፈልጥ ኢና። 25 የሱስ ዝገበሮ ብዙሕ ካልእ ኣሎ፣ ብዝርዝር ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ ጥቕላላት መጻሕፍቲ፡ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።+ 15 “ኣነ ናይ ሓቂ ተኽሊ ወይኒ እየ፣ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። 2 ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ጨንፈር ይቘርጾ፣ ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዅሉ ግና፡ ብዝያዳ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ።+ 3 ንስኻትኩም፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።+ 4 ምሳይ ብሓድነት ንበሩ፣ ኣነ እውን ምሳኻትኩም ብሓድነት ክነብር እየ። ከምቲ ጨንፈር ምስ ተኽሊ ወይኒ ጸኒዑ እንተ ዘይነቢሩ፡ ባዕሉ ኺፈሪ ዘይክእል፡ ንስኻትኩም እውን ምሳይ ብሓድነት እንተ ዘይነቢርኩም፡ ከምኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።+ 5 እቲ ተኽሊ ወይኒ ኣነ እየ፣ እቲ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም። ብዘይካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር፡ ኣነ እውን ምስኡ ብሓድነት ዝነብር፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ይፈሪ።+ 6 ምሳይ ብሓድነት ዘይነብር እንተሎ፡ ከም ጨንፈር ንወጻኢ ይድርበን ይነቅጽን። ኣኪቦም ከኣ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7 ምሳይ ብሓድነት እንተ ነቢርኩም፡ ቃለይ እውን ኣባኻትኩም እንተ ሓዲሩ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።+ 8 ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሪኹም፡ ደቀ መዛሙርተይ እውን እንተ ዄንኩም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር።+ 9 ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ፡+ ኣነ እውን ንዓኻትኩም ኣፍቂረኩም ኣለኹ፣ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። 10 ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦ ዝሓለኹ እሞ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዐ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም እውን ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። 11 “ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸውን፡ ሓጐስኩም እውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን እየ እዚ ዝበልኩኹም።+ 12 ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።+ 13 ንህይወቱ* ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን።+ 14 ንስኻትኩም፡ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።+ 15 ባርያስ ነቲ ጐይታኡ ዚገብሮ ስለ ዘይፈልጥ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ግናኸ፡ ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ። 16 ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ኣነ ደኣ እየ ሓርየኩም እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይሓረኹምንን፣ ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍረኹም ነባሪ ኪኸውንን እውን እየ ሸይመኩም።+ 17 “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም ኣለኹ።+ 18 ዓለም እንተ ጸሊኣትኩም፡ ንዓይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።+ 19 ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ትፈትዎ እያ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፣+ ስለዚ፡ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።+ 20 ነቲ፡ ‘ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንዓይ እንተ ሰጒጎምኒ፡ ንዓኻትኩም እውን ኪሰጕጉኹም እዮም፣+ ቃለይ እንተ ሓልዮም፡ ቃልኩም እውን ኪሕልዉ እዮም። 21 ግናኸ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።+ 22 ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን።+ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።+ 23 እቲ ንዓይ ዚጸልኣኒ፡ ንኣቦይ እውን ይጸልኦ እዩ።+ 24 ካልእ ዘይገበሮ ግብርታት ኣብ መንጎኦም እንተ ዘይገብር፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፣+ ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንዓይን ንኣቦይን ጸሊኦምና ኣለዉ። 25 እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፡ ‘ብዘይ ምኽንያት ጸሊኦምኒ’ ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ 26 እቲ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም ሓጋዚ፡ እቲ ኻብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ+ ምስ መጸ፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ፣+ 27 ንስኻትኩም እውን ካብ መጀመርታ ኣትሒዝኩም ምሳይ ስለ ዝነበርኩም፡ ክትምስክሩለይ ኢኹም።+ 17 ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ናብ ተሰሎንቄ መጹ፣+ ኣብኣ እውን ምኵራብ ኣይሁድ ነበረት። 2 ጳውሎስ ከኣ ከም ልማዱ+ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ምሳታቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዛራረበ፣+ 3 ክርስቶስ ኪስቀን+ ካብ ምዉታት ኪትንስእን+ ከም ዚግብኦ ይገልጸሎምን እናጠቐሰ የረድኦምን፡ “እዚ ዝሰብከልኩም ዘለኹ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ” ይብሎምን ነበረ። 4 ገለ ኻባታቶም ከኣ ኣሚኖም ምስ ጳውሎስን ሲላስን ሓበሩ፣+ ንኣምላኽ ዜምልኹ ኣዝዮም ብዙሓት ግሪኻውያንን ብዙሓት ኣውራታት ኣንስትን እውን ከምኡ ገበሩ። 5 ኣይሁድ ግና ቀኒኦም፡+ ኣብቲ ዕዳጋ ንዜውደልድሉ ገለ እኩያት ሰብኡት ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ከኣ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ። ኣብ ቤት ያሶን ድማ መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ ንጳውሎስን ንሲላስን ከኣ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ። 6 ምስ ሰኣንዎም፡ ንያሶንን ንገለ ኣሕዋትን ናብ ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ወጢጦም ወሲዶም፡ “እዞም ንዓለም ዜዕገርግሩስ* ናብዚ እውን መጺኦም፣+ 7 ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ። ኵላቶም ድማ ‘የሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ እናበሉ፡ ምስ ትእዛዝ ቄሳር ዚጻረር ነገር ይገብሩ ኣለዉ” እናበሉ ጨደሩ።+ 8 እቶም ህዝብን እቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሰምበዱ፣ 9 ካብ ያሶንን ካብቶም ካልኦትን ዋሕስ ምስ ተቐበሉ ድማ፡ ሓደግዎም። 10 እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስን ንሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተዉ። 11 እዚኣቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ይልብሙ ነበሩ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ኺፈልጡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። 12 ስለዚ፡ ብዙሓት ካባታቶም ኣመኑ፣ ብዙሓት ሕፉራት ግሪኻውያን ኣንስትን ገለ ሰብኡትን እውን ከምኡ ገበሩ። 13 ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ እውን ቃል ኣምላኽ ከም ዝሰበኸ ምስ ፈለጡ ግና፡ ነቲ ህዝቢ ኼለዓዕሉን ኪርብሹን መጹ።+ 14 ሽዑ፡ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ብኡብኡ ናብ ባሕሪ ኪኸይድ ሰደድዎ፣+ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። 15 ግናኸ፡ እቶም ንጳውሎስ ዘሰነይዎ፡ ክሳብ ኣቴና ኣብጽሕዎ፣ ብዛዕባ ሲላስን ጢሞቴዎስን+ ከኣ ቀልጢፎም ናብ ጳውሎስ ኪመጹ ትእዛዝ ምስ ተቐበሉ፡ ነቐሉ። 16 ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ ድማ፡ እታ ኸተማ ብጣኦታት ተመሊኣ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ውሽጡ መንፈሱ ሓረቐ። 17 ስለዚ፡ ኣብ ምኵራብ ምስ ኣይሁድን ንኣምላኽ ምስ ዜምልኹ ኻልኦትን፡ ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦም ይዛራረብ ነበረ። 18 ገለ ፈላስፋታት ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ግና ምስኡ ተኻትዑ፣ ገሊኣቶም ከኣ፡ “እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል እዩ ደልዩ፧” በሉ። ገሊኣቶም ድማ፡ “ሰባኺ ጓኖት ኣማልኽቲ ይመስል” በሉ። እዚ ዝበሉ፡ ብዛዕባ የሱስን ትንሳኤን የበስሮም ስለ ዝነበረ እዩ።+ 19 ሒዞም ከኣ ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ፡ “ብዛዕባ እዚ እትዛረቦ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርቲ ኽንፈልጥ ንኽእልዶ፧ 20 ንኣእዛንናስ ሓድሽ ነገር ኢኻ እተስምዓና ዘለኻ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ድማ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና” ድማ በልዎ። 21 ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚቕንዩ* ጓኖትን፡ ግዜ ዕረፍቶም ሓድሽ ነገር ኣብ ምዝራብ ወይ ኣብ ምስማዕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ኣየሕልፍዎን ነበሩ። 22 ሽዑ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ+ ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዅሉ ነገር ብዝያዳ ፍርሃት ኣማልኽቲ ኸም ዘሎኩም* እርኢ ኣለኹ።+ 23 ንኣብነት፡ ክሓልፍ ከለኹን እተምልኽዎ ነገር ክዕዘብ ከለኹን፡ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ እኳ ረኺበ እየ። እምበኣር፡ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘለኹም፡ ኣነ እሰብከልኩም ኣለኹ። 24 እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን ብምዃኑ፡+ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ ኣብያተ መቕደስ ኣይነብርን እዩ፣+ 25 ንሱ ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን+ ኵሉ ነገርን ዚህብ ስለ ዝዀነ እውን፡ ገለ ኸም ዚጐድሎስ ያኢ ብኢድ ሰብ ኣይግልገልን እዩ።+ 26 ካብ ሓደ ሰብ+ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ እዩ፣+ ምዱብ ግዜያትን ዚነብሩሉ ድዉብ ደረትን ከኣ ወሲኑሎም ኣሎ፣+ 27 እዚ ድማ ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ ኢሉ እዩ።+ 28 ከመይሲ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና፣ ከምቲ ገለ ኻብ ተቐነይትኹም ዚብልዎ፡ ‘ንሕና እውን ደቁ* ኢና።’ 29 “እምበኣር፡ ደቂ* ኣምላኽ ካብ ኰንና፡+ ኣምላኽ ከምቲ ብብልሓትን ብምህዞን ሰብ እተገብረ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል ጌርና ኽንሓስቦ ኣይግብኣናን እዩ።+ 30 ኣምላኽ ነቲ ግዜያት ድንቍርና ሸለል ኢልዎ እዩ፣+ ሕጂ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ኪንስሑ ይነግር ኣሎ። 31 በቲ ዝሸሞ ሰብኣይ ኣቢሉ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፣+ ንዕኡ ኻብ ምዉታት ብምትንሳእ ከኣ፡ ንዅሎም ሰባት መተኣማመኒ ሂብዎም ኣሎ።”+ 32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ፡ ገሊኣቶም ኣላገጹሉ፣+ ገሊኣቶም ከኣ፡ “ብዛዕባ እዝስ ካልእ ግዜ እውን ክንሰምዓካ ኢና” በልዎ። 33 ጳውሎስ ድማ ሓዲግዎም ከደ፣ 34 ገለ ሰብኡት ከኣ ሓበርዎ፡ ኣመኑ እውን። ካባታቶም ድማ እቲ ዳኛ መጋባእያ ኣርዮስፋጎስ ዝነበረ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን ካልኦትን ነበሩ። 18 ድሕርዚ፡ ካብ ኣቴና ነቒሉ ናብ ቈረንቶስ መጸ። 2 ቅላውዴዎስ፡ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺወጹ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ፡ ሽዑ ቕነ ንሓደ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ+ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ረኸቦ። ናባታቶም ከኣ ከደ፣ 3 ዕዮኦም ምስፋይ ድንኳን ነበረ እሞ፡ ዕዮኦም ሕደ ስለ ዝነበረ፡ ምሳታቶም ተቐመጠን ዓየየን።+ 4 ሰንበት ሰንበት+ ግና ኣብ ምኵራብ ይምድር፡*+ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ከኣ የእምኖም ነበረ። 5 ሲላስን+ ጢሞቴዎስን+ ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ኣብ ስብከት እቲ ቓል ኣጸቢቑ ተጸምደ።+ 6 ንሳቶም ምስ ተጻረርዎን ምስ ተጻረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉ፡+ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን።+ ኣነ ንጹህ እየ።+ ካብ ሕጂ፡ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።+ 7 ካብኡ* ሓሊፉ ናብ ቤት እቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዝስሙ ንኣምላኽ ዜምልኽ ሰብኣይ ኣተወ፣ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጐድኒ እታ ምኵራብ ነበረት። 8 ክሪስጶስ+ እቲ መራሕ ምኵራብ ድማ፡ ምስ ኵሎም ቤተ ሰቡ ብጐይታ ኣመነ። ብዙሓት ካብ ሰብ ቈረንቶስ እውን ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን። 9 ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ፡ “ኣይትፍራህ፣ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፣ 10 ኣነስ ምሳኻ እየ፡+ ኪጐድኣካ ኢሉ ዜጥቅዓካ እውን የልቦን። ከመይሲ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ህዝቢ ኣለዉኒ” በሎ። 11 ኣብኣ ኸኣ ቃል ኣምላኽ እናመሃረ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ መንጎኦም ተቐመጠ። 12 ጋልዮስ ምስለኔ* ኣካይያ ኸሎ፡ ኣይሁድ ብሓባር ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ ናብ መንበር ፍርዲ እውን ወሰድዎ፡ 13 “እዚ ሰብ እዚ ንሰባት፡ ምስ ሕጊ ብዚጻረር መገዲ ንኣምላኽ ኬምልኹ ይሓብል ኣሎ” ድማ በሉ። 14 ጳውሎስ ኣፉ ኪኸፍት ምስ በለ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድ፡ “ኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ በደል ወይ ክፉእ ገበን እንተ ዚኸውንሲ፡ ተዓጊሰ ኽሰምዓኩም ምተገብአ ነይሩ። 15 እቲ ኽርክር ብዛዕባ ዘረባን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀይኑ ግና፡+ ባዕላትኩም ፍለጡ። ኣብዚ ነገር እዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይደልን እየ” በሎም። 16 ካብቲ መንበር ፍርዲ ድማ ሰጐጎም። 17 ኵላቶም ከኣ ንሶስቴነስ+ እቲ መራሕ ምኵራብ ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዲ ወቕዕዎ። ጋልዮስ ግና ብዛዕባ እዚ ኣይገደሶን። 18 ግናኸ፡ ጳውሎስ ዚኣክል መዓልትታት ምስ ጸንሐ፡ ንኣሕዋት ተሰናበቶም፣ መብጽዓ ስለ ዝነበሮ ኸኣ፡ ኣብ ክንክሬኣ+ ጸጕሪ ርእሱ ኣሕጺሩ ተቐምቂሙ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ናብ ሶርያ ብመርከብ ከደ። 19 ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሑ ድማ፡ ንዓታቶም ኣብኣ ሓደጎም፣ ንሱ ግና ናብ ምኵራብ ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ተዛራረበ።+ 20 ንሳቶም ንዝነውሐ ግዜ ኺጸንሕ እኳ እንተ ለመንዎ፡ ኣበዮም፣ 21 “የሆዋ* እንተ ፈቒዱ፡ ክምለሰኩም እየ” ኢሉ እውን ተሰናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ነቐለ፣ 22 ናብ ቂሳርያ እውን መጸ። ደዪቡ* ኸኣ ነታ ጉባኤ ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረደ።+ 23 ኣብኣ እተወሰነ ግዜ ምስ ቀነየ ድማ፡ ካብኣ ነቒሉ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ እናኣጸናንዐ፡+ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን ፈቐዶኡ ዞረ።+ 24 ሓደ ኣጵሎስ+ ዝስሙ ኣንደበተ ርቱእ ኣይሁዳዊ፡ ወዲ እስክንድርያ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ፣ ንሱ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። 25 መገዲ የሆዋ* ኸኣ ተማሂሩ* ነበረ፣ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ዚፈልጥ ክነሱ፡ ብመንፈስ ተቓጺሉ፡ ብዛዕባ የሱስ ብልክዕ ይዛረብን ይምህርን ነበረ። 26 ኣብ ምኵራብ ከኣ ብትብዓት ኪዛረብ ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን+ ምስ ሰምዕዎ ድማ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ብልክዕ ገለጹሉ። 27 ናብ ኣካይያ ኺሰግር ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ኣሕዋት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ብጽቡቕ ኪቕበልዎ ተማሕጺኖም ጸሓፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ነቶም ብጸጋ ኣምላኽ ዝኣመኑ ብዙሕ ረድኦም፣ 28 ከመይሲ፡ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብቕዱሳት ጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ብግህዶ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።+ 23 ጳውሎስ ነቲ ዋዕላ ኣተኲሩ እናጠመተ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍጹም ጽሩይ ሕልና እየ ተመላሊሰ” በለ።+ 2 ሽዑ፡ ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ኣፉ ኺወቕዕዎ ኣዘዞም። 3 ጳውሎስ ከኣ ንዕኡ፡ “ኣታ ብኖራ እተለቕለቐ መንደቕ፡ ኣምላኽ ኪወቕዓካ እዩ። ከም ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኸለኻስ፡ ሕጊ ጥሒስካዶ ኺወቕዑኒ ትእዝዝ ኣለኻ፧” በሎ። 4 እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ድማ፡ “ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣለኻ፧” በልዎ። 5 ጳውሎስ ከኣ፡ “ኣሕዋተይ፡ ‘ንሓለቓ ህዝብኻ ኣይትጽረፍ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን” በለ።+ 6 ጳውሎስ ድማ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፡ ገሊኣቶም ከኣ ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ+ ወዲ ፈሪሳውያን እየ። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምዉታት እፍረድ ኣለኹ” በለ። 7 እዚ ስለ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ፍልልይ ኰነ፣ እቲ ኣኼባ እውን ተኸፍለ። 8 ከመይሲ፡ ሰዱቃውያን፡ ‘ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ ወይ መንፈስ የልቦን’ ይብሉ ነበሩ፣ ፈሪሳውያን ግና እዚ ዅሉ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩ።+ 9 ብዙሕ ታዕታዕ ድማ ኰነ፣ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝዀኑ ገለ ጸሓፍቲ ኸኣ፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን፣ መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡—” እናበሉ ኣበርቲዖም ተኻትዑ።+ 10 ብዙሕ ፍልልይ ምስ ኰነ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ንጳውሎስ ከይሰላልዕዎ ፈሪሁ፡ ነቶም ወተሃደራት ወሪዶም ካብ ማእከሎም ኪምንዝዕዎን ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬምጽእዎን ኣዘዘ። 11 በታ ለይቲ እቲኣ ግና፡ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፡ “ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ኣጸቢቕካ ዝመስከርካ፡ ኣብ ሮሜ+ እውን ከምኡ ኽትምስክር ኣሎካ እሞ፡ ኣጆኻ!”+ በሎ። 12 መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ውዲት ገይሮም ብመርገም ተመሓሓሉ። 13 እቶም ነዚ ኺገብሩ እተመሓሓሉ ድማ፡ ካብ 40 ይበዝሑ ነበሩ። 14 ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ናብ ዓበይትን ከይዶም ከኣ፡ “ንሕና ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ፡ ገለ እኳ ኸይንጥዕም፡ ብመርገም ተመሓሒልና ኣለና። 15 ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ ዋዕላ ዄንኩም፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ኸም ዝደለኹም መሲልኩም፡ ንዕኡ ናባኻትኩም ኬውርዶ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ። ቅድሚ ምቕራቡ ግና፡ ክንቀትሎ ተዳሊና ኣለና” በልዎም። 16 ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ግና፡ ነቲ ዝሓሰብዎ ድብያ ሰምዐ፣ ከይዱ ኸኣ ናብቲ ሰፈር ወተሃደራት ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ። 17 ጳውሎስ ድማ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ጸዊዑ፡ “እዚ ጐበዝ እዚ ንሓለቓ ሽሕ ዚነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ፡ ናብኡ ውሰዶ” በሎ። 18 ንሱ ኸኣ ሒዙ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ወሰዶ እሞ፡ “ጳውሎስ እቲ እሱር ጸዊዑስ፡ እዚ ጐበዝ እዚ ዚነግረካ ነገር ስለ ዘለዎ፡ ናባኻ ከቕርቦ ለሚኑኒ” በሎ። 19 እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ብኢዱ ሒዙ ወሰዶ እሞ፡ ንበይኑ ኣልጊሱ፡ “እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። 20 ንሱ ኸኣ፡ “ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቖም ኪፈልጡ ኸም ዝደለዩ መሲሎም፡ ጽባሕ ናብ ዋዕላ ኸተውርደሎም ኪልምኑኻ ተሰማሚዖም ኣለዉ።+ 21 ካባታቶም ካብ 40 ዚበዝሑ ሰብኡት ኣድብዮምሉ ኣለዉ፡ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸኣ ከይበልዑን ከይሰትዩን ብመርገም ተመሓሒሎም ኣለዉ እሞ፡+ ንስኻ ሕራይ ኣይትበሎም፣ ሕጂ ኸኣ ተዳልዮም፡ ካባኻ ተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ” በሎ። 22 እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ነቲ ጐበዝ፡ “እዚ ነገር እዚ ንዓይ ከም ዘፍለጥካኒ፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዚዙ ሰደዶ። 23 ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ጸዊዑ ኸኣ፡ “ክሳብ ቂሳርያ ኪኸዱ፡ 200 ወተሃደራትን 70 ፈረሰኛታትን 200 ሰብ ኲናትን ለይቲ ኣብ ሳልሰይቲ ሰዓት* ኣዳልዉ። 24 ንጳውሎስ ምእንቲ ኸተወጥሕዎ ድማ ኣፍራስ ተማልኡ፡ ብደሓኑ እውን ናብ ፌሊክስ እቲ ሹም ኣብጽሕዎ” በሎም። 25 ከምዚ እትብል ደብዳበ ኸኣ ጸሓፈ፦ 26 “ቅላውዴዎስ ሊስያስ ናብቲ ኽቡር ፌሊክስ እቲ ሹም፦ ሰላም። 27 ኣይሁድ ነዚ ሰብኣይ እዚ ሒዞም ኪቐትልዎ ኢሎም ነይሮም፣ ኣነ ግና ሮማዊ+ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ምስ ወተሃደራተይ ቀልጢፈ መጺአ ኣናጊፈዮ።+ 28 እቲ ዝኸስሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸኣ፡ ናብ ዋዕላኦም+ ኣውሪደዮ። 29 ብዛዕባ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ደኣ እየ ረኺበ እምበር፡+ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ሓንቲ ኽሲ እኳ ኣይረኸብኩሉን። 30 ነዚ ሰብኣይ እዚ ውዲት ከም ዝኣለሙሉ ስለ ዝሰማዕኩ ግና፡+ ብቕልጡፍ ናባኻ እሰድዶ ኣለኹ፣ ነቶም ከሰስቱ እውን ኣብ ቅድሜኻ ኪኸስስዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ።” 31 እቶም ወተሃደራት ድማ ከምቲ እተኣዘዝዎ፡ ንጳውሎስ+ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብጽሕዎ። 32 ንጽብሒቱ፡ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ኪኸዱ ሓደግዎም፣ ንሳቶም ግና ናብ ሰፈር ተመልሱ። 33 እቲኣቶም ኣብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ነቲ ሹም ሃብዎ፣ ንጳውሎስ እውን ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረብዎ። 34 ምስ ኣንበባ ድማ፡ ብዓል ኣየነይቲ ኣውራጃ ምዃኑ ሓተቶ እሞ፡ ብዓል ቂልቅያ+ ምዃኑ ፈለጠ። 35 “ከሰስትኻ ምስ መጹ፡ ሽዑ ኣጸቢቐ ኽሰምዓካ እየ” ኸኣ በሎ።+ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሄሮድስ ኣእትዮም ኪሕልውዎ ድማ ኣዘዘ። 19 ኣጵሎስ+ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ ድማ፡ ጳውሎስ ብውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ናብ ኤፌሶን+ መጸ። ኣብኣ ድማ ገለ ደቀ መዛሙርቲ ረኸበ 2 እሞ፡ “ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧” በሎም።+ ንሳቶም ከኣ፡ “መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን” ኢሎም መለሱሉ። 3 ንሱ ድማ፡ “ብምንታይ ደኣ ተጠሚቕኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት” በልዎ።+ 4 ጳውሎስ ድማ፡ “ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ፡ ኪኣምኑ እናነገረ፡+ ጥምቀት ንስሓ+ እዩ ዘጥመቐ” በሎም። 5 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ። 6 ጳውሎስ ኣእዳዉ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ወረዶም+ እሞ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።+ 7 ኵላቶም ድማ ኣስታት 12 ሰብኡት ነበሩ። 8 ናብ ምኵራብ ኣትዩ፡+ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ+ እናመደረን እናኣእመኖምን፡ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ተዛረቦም። 9 ገሊኦም ብዛዕባ እታ መገዲ+ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናኣካፍኡ ተሪሮም ምእማን ምስ ኣበዩ ግና፡ ካባታቶም ኣልገሰ፣+ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኸኣ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይምድረሎም ነበረ። 10 እዚ ኸኣ፡ ኵሎም ኣብ ኣውራጃ እስያ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ክሳዕ ዚሰምዑ፡ ንኽልተ ዓመት ቀጸለ። 11 ኣምላኽ ድማ ብኢድ ጳውሎስ ፍልይ ዝበለ ግብርታት ሓይሊ ይገብር ነበረ፣+ 12 ሰብነቱ ዝተንከየ ጨርቅን በጃ ኽዳንን እኳ ኻብኡ ናብቶም ሕሙማት ይወስዱ+ እሞ ሕማሞም ይሓድጎም፡ እኩያት መናፍስቲ እውን ይወጹ ነበሩ።+ 13 ገለ ኻብቶም ኣጋንንቲ እናኣውጽኡ ዚዞሩ ኣይሁድ ግና፡ ነቶም እኩያት መናፍስቲ ዘለውዎም፡ “በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ እእዝዘኩም ኣለኹ” እናበሉ ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ።+ 14 ሸውዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት፡ እዚ ይገብሩ ነበሩ። 15 እቲ እኩይ መንፈስ ግና፡ “ንየሱስ እፈልጦ፡+ ንጳውሎስ እውን አለልዮ እየ፣+ ንስኻትኩም ግና መን ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም። 16 ሽዑ፡ እቲ እኩይ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ዘሊሉ ጐበጦም፣ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሃድሙ ኸኣ፡ በብሓደ ኣሕመቖምን ሰዓሮምን። 17 እዚ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ተፈልጠ፣ ኵላቶም እውን ብፍርሂ ተዋሕጡ፣ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ይኽበር ነበረ። 18 ብዙሓት ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ፡ መጺኦም ግብሮም ይናዘዙን ይነግሩን ነበሩ። "19 ብዙሓት ስሒር ዚገብሩ ዝነበሩ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ።+ ዋጋኡ ምስ ጸብጸብዎ፡ 50,000 ብሩር ኰይኑ ተረኽበ።" 20 በዚ ኸምዚ፡ ቃል የሆዋ* እናዓበየን እናሰዓረን ከደ።+ 21 እዚ ምስ ኰነ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን+ ብኣካይያን ሓሊፉ ናብ የሩሳሌም+ ኪኸይድ ብመንፈሱ ሓለነ እሞ፡ “ኣብኣ ምስ በጻሕኩ፡ ንሮሜ+ እውን ክርእያ ኣሎኒ” በለ። 22 ንኽልተ ኻብቶም ዜገልግልዎ፡ ንጢሞቴዎስን+ ንኤራስጦስን+ ከኣ፡ ናብ መቄዶንያ ለኣኾም፣ ንሱ ግና ኣብ ኣውራጃ እስያ እተወሰነ ግዜ ጸንሐ። 23 በታ ግዜ እቲኣ ብዛዕባ እታ መገዲ+ እቲኣ ብዙሕ ረብሻ+ ዀነ። 24 ከመይሲ፡ ሓደ ድሜጥሮስ ዝስሙ ኣንጠረኛ ብሩር፡ ንእሽቶ መቕደስ ብሩር ኣርጤምስ እናሰርሐ ነቶም ኢደ ጥበበኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ።+ 25 ንዓታቶምን ነቶም ከምኡ ዚዓይዩን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፡ ብልጽግናና ኻብዚ ስራሕ እዚ ምዃኑ ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። 26 እዚ ጳውሎስ እዚ፡ ‘እቶም ብኢድ እተገብሩ፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን’+ እናበለ ኣብ ኤፌሶን+ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኵላ ኣውራጃ እስያ ንብዙሓት ህዝቢ ኸም ዝሓበለን ከም ዘስድዐን እውን ትርእዩን ትሰምዑን ኣለኹም። 27 ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ እታ ዓባይ ኣምላኽ ከም ከንቱ ኸይቍጸር፡ እዛ ኣብ ብዘላ ኣውራጃ እስያን ዓለምን እትምለኽ ከኣ ዕቤታ ኸይነዓቕ እውን እምበር፡ ስራሕና ኸይዋረድ ጥራይ ኣይኰነን ዜስግኣና ዘሎ።” 28 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ቍጥዓ መልኦም እሞ፡ “ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ!” እናበሉ ጨደሩ። 29 ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፣ ንጋይዮስን ንኣርስጣርኮስን፡+ ነቶም መጋይሽቲ ጳውሎስ ዝዀኑ ሰብ መቄዶንያ፡ መንዚዖም ወሲዶም፡ ሓቢሮም ናብታ ቦታ ምርኢት ጐየዩ። 30 ጳውሎስ ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ ደለየ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ከልከልዎ። 31 ገለ ኻብቶም ፈተውቱ ዝዀኑ ሰብ መዚ በዓላትን ጸወታታትን እውን፡ ናብታ ቦታ ምርኢት ከይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ። 32 እቲ ኣኼባ ዕግርግር ኢሉ ብምንባሩ፡ መብዛሕትኦም እውን ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ ኣይፈልጡን ብምንባሮም፡ ገሊኣቶም ከምዚ፡ ገሊኣቶም እውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። 33 ንእስክንድሮስ ድማ ካብቲ ህዝቢ ኣውጽእዎ፡ እቶም ኣይሁድ ከኣ ንቕድሚት ደፍእዎ፣ እስክንድሮስ ከኣ ምስቶም ህዝቢ ኺምጕት ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ። 34 ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ ግና፡ ኵላቶም ብሓደ ዀይኖም ንኣስታት ክልተ ሰዓት፡ “ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ!” እናበሉ ጨደሩ። 35 እቲ ዋና ጸሓፊ እታ ኸተማ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣህድኦም፡ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፡ ከተማ ሰብ ኤፌሶን ሓላዊት ቤተ መቕደስ ዓባይ ኣርጤምስን እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ምዃና ዘይፈልጥ ሰብ መን ኣሎ፧ 36 እምበኣር፡ እዚ ኣሉ ዘይብሃል ካብ ኰነ፡ ህድእ በሉ፡ ብታህዋኽ ድማ ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ። 37 ነዞም ሰብኡት እዚኦም፡ ቤተ መቕደስ ከይሰረቑ፡ ወይ ንኣምላኽና ኸይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘለኹም። 38 እምበኣር፡ ድሜጥሮስን+ ምስኡ ዘለዉ ኢደ ጥበበኛታትን ገለ ነገር እንተ ኣልይዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስለኔታትን* ኣለውዎም፣ ንሓድሕዶም ይካሰሱ። 39 ካልእ ነገር እንተ ደሊኹም ከኣ፡ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ኺውሰን ኣለዎ። 40 ነዚ ዕግርግር እዚ እነቕርበሉ ምኽንያት ስለ ዘይብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ እኳ ብናዕቢ ኸይንኽሰስ የስግኣና እዩ።” 41 እዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ። 20 እቲ ናዕቢ ምስ ሃድአ፡ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ልኢኹ ጸውዖም፣ ምስ ኣተባብዖምን ምስ ተሰናበቶምን ከኣ፡ ናብ መቄዶንያ ነቐለ። 2 ነቶም ኣብቲ ዞባታት እቲ ዚነብሩ ብብዙሕ ቃል እናኣተባብዖም ሓሊፉ፡ ናብ ግሪኽ መጸ። 3 ኣብኣ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ፡ ናብ ሶርያ ብመርከብ ኪኸይድ ሓሲቡ ኸሎ፡ ኣይሁድ ውዲት ስለ ዝኣለሙሉ፡+ ብመቄዶንያ ኣቢሉ ኺምለስ ወሰነ። 4 ሶጳጥሮስ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤርያ፡ ኣርስጣርኮስን+ ሴኮንዶስን ሰብ ተሰሎንቄ፡ ጋይዮስ ብዓል ደርቤ፡ ጢሞቴዎስ፡+ ካብ ኣውራጃ እስያ ኸኣ ትኪቆስን+ ጥሮፊሞስን+ የሰንይዎ ነበሩ። 5 እዚኣቶም ቅድሜና ሓሊፎም ኣብ ጥሮኣስ ተጸበዩና፣ 6 ንሕና ግና ድሕሪ መዓልትታት በዓል ቅጫ+ ኻብ ፊልጲ ብመርከብ ነቒልና፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብ ጥሮኣስ መጻእና፣ ኣብኣ እውን ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና። 7 ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ክንምገብ ተኣኪብና ኸለና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ስለ ዚነቅል፡ ኪምድር ጀመረ፣ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣንውሐ። 8 ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ደርቢ ኸኣ፡ ብዙሕ መብራህትታት ነበረ። 9 ኣብ መስኰት ተቐሚጡ ዝነበረ ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ከኣ፡ ጳውሎስ ዘረባ ምስ ኣንውሐ ኸቢድ ድቃስ ወሰዶ፣ ድቃስ ስዒርዎ ድማ ካብ ካልኣይ ደርቢ* ወደቐ፣ ሞይቱ እውን ኣልዓልዎ። 10 ጳውሎስ ግና ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ ኢሉ ሓቘፎ እሞ፡+ “ህያው እዩ ዘሎ እሞ፡* ደጊም ዋይዋይ ኣይትበሉ” በሎም።+ 11 ደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዐ። ክሳዕ ወጋሕታ ብዙሕ ምስ ኣዛራረቦም ከኣ፡ ካብኡ ነቐለ። 12 ነቲ ወዲ ድማ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ። 13 ንሕና ቕድም ናብ መርከብ ደዪብና ናብታ ንጳውሎስ ከነደይበላ ዝሓሰብና ኣሶስ ሓለፍና፣ ከመይሲ፡ ንሱ ኸምኡ ኢሉ መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ፡ ናብኣ ብእግሩ ኪኸይድ ሓሲቡ ነበረ። 14 ኣብ ኣሶስ ምስ ኣርከበና ኸኣ፡ ምሳና ኣደዪብናዮ ናብ ሚጢሌኔ ኸድና። 15 ንጽብሒቱ ኸኣ ካብኣ ብመርከብ ነቒልና፡ ኣብ መንጽር ክዮስ በጻሕና፣ በታ እትቕጽል መዓልቲ ግና ኣብ ሳሞስ ሓንሳእ ደው በልና፣ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ሚሊጦስ በጻሕና። 16 ከመይሲ፡ ጳውሎስ፡ እንተ ኽኢሉ፡ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ኣብ የሩሳሌም+ ኪበጽሕ ተሃዊኹ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣውራጃ እስያ ምእንቲ ኸይድንጒ ኢሉ፡ ንኤፌሶን+ ሓሊፉ ኪኸይድ ወሰነ። 17 ግናኸ፡ ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግለታት ጉባኤ ጸውዖም። 18 ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፦ “ካብታ ናብ ኣውራጃ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዘ፡ ኵሉ ግዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፣+ 19 ብዅሉ ትሕትናን ብንብዓትን በቲ ብውዲት ኣይሁድ ዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ተገዚአዮ እየ፣+ 20 ዚጠቕመኩም ካብ ምንጋር ወይ ብግህዶን+ ኣብ በቤትን+ ካብ ምምሃር ኣየድሓርሓርኩን። 21 የግዳስ፡ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ብንስሓ+ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን ብጐይታና የሱስ ኪኣምኑን ኣጸቢቐ መስኪረሎም እየ።+ 22 ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ብመንፈስ ተኣሲረ* ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣለኹ፣ ኣብኣ እንታይ ከም ዚረኽበኒ እኳ ኣይፈልጥን እየ፣ 23 ብዘይካ እቲ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ከም ዚጽበየኒ ኣብ ከከተማኡ ብተደጋጋሚ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ኣይፈልጥን እየ።+ 24 ግናኸ፡ ጕያይን ካብ ጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ ኣገልግሎተይን ክሳዕ ዝፈጸምኩ፡+ ማለት ብዛዕባ ብስራት ጸጋ ኣምላኽ ኣጸቢቐ ኽሳዕ ዝመስከርኩ፡ ንህይወተይ* ከም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ። 25 “ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኵላትኩም፡ እዞም እናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፡ እፈልጥ እየ። 26 ስለዚ፡ ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሃየ መስክሩ፣+ 27 ከመይሲ፡ ኵሉ ምኽሪ* ኣምላኽ ንዓኻትኩም ካብ ምንጋር ኣየድሓርሓርኩን።+ 28 ንርእስኹምን+ ንዅሉ እቲ መንፈስ ቅዱስ ሓለውቲ ገይሩ ኣብኡ ዝሸመኩም መጓሰን ተጠንቀቑ።+ እዚ ሽመት እዚ እተዋህበኩም፡ ነታ ብደም ወዱ+ ዝዓደጋ ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትጓስዩ እዩ።+ 29 ኣነ ምስ ኣልገስኩ፡ ሕሱማት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹምን+ ነቲ መጓሰ ኸም ዘየናሕስዩሉን፡ እፈልጥ እየ፣ 30 ካባኻትኩም ከኣ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኺትንስኡ እዮም።+ 31 “እምበኣር፡ ንቕሑ፡ ንሰለስተ ዓመት+ ለይትን መዓልትን ንነፍሲ ወከፍኩም ብንብዓት ካብ ምምዓድ ከም ዘየቋረጽኩ ኸኣ ዘክሩ። 32 ሕጂ ድማ፡ ንኣምላኽን ነቲ ኺሃንጸኩምን ምስ ኵሎም ቅዱሳት ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን አማዕቍበኩም ኣለኹ።+ 33 ናይ ሰብ ብሩር ኰነ ወርቂ ዀነ ወይ ክዳን ኣይተተምነኹን።+ 34 እዘን ኣእዳወይ ንዓይን ነቶም ምሳይ ዝነበሩን ዜድሊ ዘበለ ኸም ዘማልኣ፡+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 35 በዚ ኸምዚ ብምጽዓር፡+ ንድኹማት ክትድግፉ፡ ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ’+ ዝበሎ ቓላት ከኣ ክትዝክሩ ኸም ዚግባእ፡ ብዅሉ ኣርእየኩም እየ።” 36 እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ምስ ኵሎም ተምበርኪኹ ጸለየ። 37 ኵላቶም ድማ ብዙሕ በኸዩ፣ ንጳውሎስ እውን ሓኒቖም ሰዓምዎ፣ 38 ምናዳ ኸኣ ስለቲ ደጊም ገጹ ኸም ዘይርእዩ እትዛረቦም ቃል ጐሃዩ።+ ክሳዕ እታ መርከብ እውን ኣፋነውዎ። 3 ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ብሰዓት ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ። 2 ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ዝነበረ ሰብኣይ ነበረ፣ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚኣትዉ ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን ድማ፡ ተሰኪሞም ኣምጺኦም፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ጥቓ እታ ጽብቕቲ እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ። 3 ንሱ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸለዉ ምስ ረኣዮም፡ ኪምጽውቱሉ ለመኖም። 4 ጴጥሮስ ግና፡ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ፡ ጠመቶ እሞ፡ “ናባና ጠምት” በሎ። 5 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ኣተኰረሎም። 6 ግናኸ፡ ጴጥሮስ፡ “ብሩርን ወርቅን የብለይን፣ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ። ብስም የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ተንሲእካ ኺድ!” በሎ።+ 7 ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ።+ ብቕጽበት ኣእጋሩን ዓካሪቶኡን ጸንዐ፣+ 8 ስር ኢሉ ድማ ደው በለ፡+ ተዛወረ እውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናወደሰን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። 9 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ኺዛወርን ንኣምላኽ ኪውድስን ከሎ ረኣይዎ። 10 እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለለይዎ እሞ፡+ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ኣዝዮም ተደመሙን ተገረሙን። 11 እቲ ሰብኣይ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሒዝዎም ከሎ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ተገሪሞም ናባታቶም ናብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሃል ጐየዩ።+ 12 ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ስለምንታይ በዚ ትግረሙ ኣለኹም፧ ስለምንታይከ ብገዛእ ሓይልና ወይ ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነት ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮ ጌርኩም ትጥምቱና ኣለኹም፧ 13 ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡+ ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ዝሃብኩምዎን+ ጲላጦስ ኪፈትሖ ምስ ወሰነ እኳ ኣብ ገጹ ዝኸሓድኩምዎን ጊልያኡ የሱስ+ ኣኽቢርዎ ኣሎ።+ 14 እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ቐታል ነፍሲ ለሚንኩምሉ፣+ 15 ነቲ ቐንዲ ወኪል ህይወት ግና ቀቲልኩምዎ።+ ኣምላኽ ግና ንዕኡ ኻብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ንሕና መሰኻኽር ኢና።+ 16 ብስሙን በታ ብስሙ ዘላትና እምነትን እውን፡ እዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ጸኒዑ ኣሎ። እታ ብእኡ ዘላትና እምነት፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዅላትኩም ምሉእ ጥዕና ሂባቶ እያ። 17 ሕጂ ድማ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቶም ኣሕሉቕኩም፡ ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡+ እፈልጥ እየ።+ 18 ግናኸ፡ ኣምላኽ ነቲ ክርስቶሱ መከራ ኸም ዚጸግብ ብኣፍ ኵሎም ነብያት ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ በዚ ኸምዚ ፈጺምዎ እዩ።+ 19 “እምበኣር፡ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡+ ካብ የሆዋ ባዕሉ* ኸኣ እዋን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ ተነስሑን+ ተመለሱን፣+ 20 ንሱ ድማ ነቲ እተሸመልኩም የሱስ ኪልእከልኩም እዩ። 21 ንዕኡ ኸኣ፡ ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ብኣፍ እቶም ናይ ጥንቲ ቕዱሳት ነብያቱ እተዛረበሉ ግዜ ምምላስ ኵሉ፡ ሰማይ ኣብ ውሽጡ ኺሕዞ ይግባእ። 22 ሙሴ እኳ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ ‘የሆዋ* ኣምላኽ ከማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ።+ ንሱ ዚነግረኩም ዘበለ ስምዑ።+ 23 ነቲ ነብዪ እቲ ዘይሰምዕ ዘበለ ሰብ፡* ካብ ህዝቡ ጠሪሱ ኺጠፍእ እዩ።’+ 24 ኵሎም ነብያት ድማ፡ ካብ ሳሙኤል ኣትሒዞም ንዕኡ ስዒቦም እተዛረቡ ዘበሉ፡ ነዘን መዓልትታት እዚአን እዮም ኣፍሊጦም።+ 25 ንስኻትኩም ደቂ ነብያትን ደቂ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም’+ ኢሉ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ ኺዳንን ኢኹም።+ 26 ኣምላኽ ንጊልያኡ ምስ ኣተንስኦ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ እከይኩም ብምምላስ ምእንቲ ኺባርኸኩም፡ ቅድም ናባኻትኩም እዩ ልኢኽዎ።”+ 24 ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ሃናንያ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ገሊኦም ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዚብሃል ክኢላ ተዛራብን* ወረደ፣ ንሳቶም ድማ ኣንጻር ጳውሎስ ዝነበሮም ጕዳይ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ኣቕረቡ።+ 2 ንሱ ምስ ተጸውዐ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸስሶ ጀመረ፦ “ኦ ኽቡር ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ኣርሒቕካ ስለ እትሓስብ ድማ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም እተመሓየሸሉ ብምርኣይና፡ 3 ኵሉ ግዜን ኣብ ኵሉን ብብዙሕ ምስጋና ነዚ ንእመነሉ ኢና። 4 ካብዚ ንላዕሊ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃትካ ኽትሰምዓና እልምነካ ኣለኹ። 5 ንሕና ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ብዓለሙ ዘለዉ ኣይሁድ መትከርን*+ መናዓብን+ መራሒ ኑፋቐ ናዝሬታውያንን ኰይኑ ረኺብናዮ፣+ 6 ቤተ መቕደስ ኬርክስ ምስ ፈተነ እውን ሒዝናዮ።+ 7 *—— 8 ብዛዕባ እዚ ዅሉ እንኸስሶ ዘለና ነገር፡ ባዕልኻ መርሚርካ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።” 9 ኣይሁድ እውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እቲ ነገር ከምኡ ምዃኑ ገለጹ። 10 እቲ ሹም ንጳውሎስ፡ ኪዛረብ ብርእሱ ምስ ኣመልከቶ፡ ንሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነዚ ህዝቢ እዚ ፈራዲ ኻብ እትኸውን ብዙሕ ዓመታት ከም ዝገበርካ ስለ ዝፈልጥ፡ ንርእሰይ ተሓጒሰ እማጐተላ ኣለኹ።+ 11 ከምልኽ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ 12 መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ፣+ 12 ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽከራኸር ወይስ ኣብ ምኵራባት ኰነ ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ንህዝቢ ኸለዓዕል ኣይረኸቡንን። 13 ነቲ ሕጂ ዚኸስሱኒ ዘለዉ ነገር እውን፡ መርትዖ ኬቕርቡልካ ኣይክእሉን እዮም። 14 ግናኸ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጻሒፉ ዘሎ እናኣመንኩ፡+ በታ ንሳቶም ኑፋቐ ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ፡ ከምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘገልግሎ፡* እዚ እእመነልካ ኣለኹ።+ 15 ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን+ ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ኣነ እውን ከማታቶም ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ።+ 16 ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽሩይ* ሕልና ኺህልወኒ፡ ኵሉ ግዜ እጽዕር ኣለኹ።+ 17 ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን+ መስዋእቲ ከቕርብን መጺአ። 18 እዚ ኽገብር ከለኹ፡ ምስ ህዝቢ ኽእከብ ወይ ከናዕብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሀ እዮም ረኺቦምኒ።+ ካብ ኣውራጃ እስያ ዝመጹ ገለ ኣይሁድ ግና ነይሮም እዮም፣ 19 ንሳቶም ኣባይ ገለ ነገር እንተ ዚህልዎምሲ፡ ኣብ ቅድሜኻ ቐሪቦም ኪኸስሱኒ ምተገብአ ነይሩ።+ 20 ወይስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኢለ ኸለኹ፡ ገለ በደል እንተ ረኺቦምለይ ይዛረቡ፣ 21 ብዘይካ እታ ኣብ መንጎኦም ደው ኢለ ብዓውታ፡ ‘ሎሚ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ!’+ ዝበልክዋ ሓንቲ ነገር፡ ካልእ ኣይረኽቡለይን እዮም።” 22 ፌሊክስ ብዛዕባ እዛ መገዲ+ እዚኣ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ግና፡ “ሊስያስ እቲ ሓለቓ ሽሕ ምስ ወረደ፡ ብዛዕባ ነገርኩም ክውስን እየ” ኢሉ ነቲ ነገር ወዘፎ። 23 ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ኪሕልዎ፡ እተወሰነ ናጽነት ድማ ኪህቦ፡ ካብ ሰቡ ኼገልግሎ ንዚደሊ እውን ኪፈቕደሉ ኣዘዞ። 24 ድሕሪ ገለ መዓልትታት፡ ፌሊክስ ምስታ ድሩሲላ እትብሃል ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መጸ፣ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ ኸኣ፡ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ ምእማን፡ ካብኡ ሰምዐ።+ 25 ጳውሎስ ብዛዕባ ጽድቅን ርእሰ ግትኣትን እቲ ዚመጽእ ፍርድን ምስ ተዛረቦ ግና፡+ ፌሊክስ ፈሪሁ፡ “ንሕጂ ኺድ፣ ዚጥዕመኒ ግዜ ምስ ረኸብኩ፡ ከም ብሓድሽ ክትመጸኒ ኽልእከልካ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 26 ምስናይዚ ግና፡ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ኪውሃቦ ተስፋ ይገብር ነበረ። ስለዚ፡ ብዙሕ ግዜ ለልኢኹ እናኣምጽአ የዘራርቦ ነበረ። 27 ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ፌሊክስ ብጶርቅዮስ ፌስጦስ ተተክአ፣ ፌሊክስ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ስለ ዝደለየ ኸኣ፡+ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ። 7 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ “እዚ ነገር እዚ ኸምኡ ድዩ፧” በሎ። 2 እስጢፋኖስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትን ኣቦታትን፡ ስምዑ። ኣምላኽ ክብሪ ንኣቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ፡ ኣብ መሶጶታምያ ኸሎ፡ ተራእዮ፣+ 3 ‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፣ ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ’ ድማ በሎ።+ 4 ሽዑ፡ ንሱ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ፡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡+ ኣምላኽ ካብኡ ናብዛ ሕጂ እትነብርዋ ዘለኹም ምድሪ ኣግዓዞ።+ 5 ኣብኣ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፣ ግናኸ፡ ውሉድ ዘይብሉ ኽነሱስ፡ እታ ምድሪ ንዕኡ፡ ብድሕሪኡ እውን ንዘርኡ ኸም ዜረስትዮ፡ ኣተስፈዎ።+ 6 ዘርኡ ኣብ ዘይምድሮም ጓኖት ከም ዚዀኑን እቶም ህዝቢ ን400 ዓመት ከም ዚገዝእዎምን ከም ዚገፍዕዎምን እውን ኣምላኽ ተዛረቦ።+ 7 ኣምላኽ ድማ፡ ‘ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶ እየ፣+ ድሕርዚ፡ ኪወጹ እሞ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኼገልግሉኒ* እዮም’ በለ።+ 8 “ኪዳን ግዝረት እውን ሃቦ፣+ ከምኡ ኸኣ ንይስሃቅ ወለደ+ እሞ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ፣+ ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለደ፡* ያእቆብ ከኣ ን12 ርእስታት ዓሌት ወለደ። 9 እቶም ርእስታት ዓሌት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ+ ናብ ግብጺ ሸጥዎ።+ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ፣+ 10 ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣናገፎ፣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ሞገስን ጥበብን ሃቦ። ንሱ እውን ንግብጽን ንብዘላ ቤቱን ኬመሓድር ሸሞ።+ 11 ኣብ ኵላ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜት፡ እወ፡ ብርቱዕ ጸበባ ዀነ፣ ኣቦታትና ድማ ምግቢ ሰኣኑ።+ 12 ያእቆብ ግና ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዚርከብ ሰምዐ፣ ንኣቦታትና ኸኣ ቀዳማይ ግዜ ለኣኾም።+ 13 ኣብ ካልኣዮም ድማ፡ ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ገዛእ ርእሱ ኣፍለጦም፣ ዓሌት ዮሴፍ እውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ።+ 14 ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ ያእቆብን ንዅሎም እቶም 75 ሰባት*+ ዚዀኑ ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም።+ 15 ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፣+ ኣብኣ ኸኣ ሞተ፣+ ኣቦታትና እውን ሞቱ።+ 16 ናብ ሴኬም ድማ ኣግዓዝዎም፣ ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሓሞር ኣብ ሴኬም ብገንዘብ ብሩር ዝዓደጋ መቓብር ከኣ ኣንበርዎም።+ 17 “እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝገለጸሉ ተስፋ ዚፍጸመሉ ግዜ ምስ ቀረበ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዓበዩን በዝሑን፣ 18 እዚ ድማ ኣብ ግብጺ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ካልእ ንጉስ ክሳዕ ዚትንስእ ኰነ።+ 19 ንሱ ንዓሌትና ተተናዀሎም፣ ንኣቦታትና ኸኣ ሕጻናቶም ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም።+ 20 በታ ግዜ እቲኣ ሙሴ ተወልደ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ። ኣብ ቤት ኣቦኡ እውን ንሰለስተ ወርሒ ኽንክን ተገብረሉ።*+ 21 ምስ ተደርበየ ግና፡+ ጓል ፈርኦን ኣልዒላ፡ ከም ወዳ ገይራ ኣዕበየቶ።+ 22 ሙሴ ድማ ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፣ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዐ።+ 23 “ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ንኣሕዋቱ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ኪበጽሕ ብልቡ ሓሰበ።*+ 24 ሓደ ኻባታቶም ኪዕመጽ ምስ ረኣየ ኸኣ፡ ሕነ እቲ ግፉዕ ዘርዩ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። 25 ኣሕዋቱ፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ድሕነት ከም ዚህቦም፡ ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ፣ ንሳቶም ግና ኣየስተውዓልዎን። 26 ንጽብሒቱ ድማ፡ ኪብኣሱ ኸለዉ ረኣዮም፣ ‘ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም። ስለምንታይ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧’ ኢሉ እውን ኪዓርቆም ፈተነ። 27 እቲ ንብጻዩ ዚዕምጾ ዝነበረ ግና ደፊኡ፡ ‘መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ ኣባና ሸይሙካ፧ 28 ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ደሊኻ፧’ በሎ። 29 ሙሴ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ሃደመ፣ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ጓና ዀነ፣ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ።+ 30 “ድሕሪ 40 ዓመት ድማ፡ ኣብ በረኻ ከረን ሲና፡ መልኣኽ ብዚነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ተራእዮ።+ 31 ሙሴ እዚ ምስ ረኣየ፡ በቲ ትርኢት እቲ ተገረመ። ኪምርምር ኢሉ ኪቐርብ ከሎ ግና፡ ከምዚ ዚብል ድምጺ የሆዋ* ሰምዐ፦ 32 ‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ።’+ ሙሴ ራዕራዕ ስለ ዝበለ፡ ኪምርምር ኣይደፈረን። 33 የሆዋ* ድማ ከምዚ በሎ፦ ‘እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ። 34 ጭቈና እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እህህታኦም ከኣ ሰሚዐ፡+ ከናግፎም እውን ወሪደ ኣለኹ። ሕጂ ኸኣ ንዓ ናብ ግብጺ ኽልእከካ።’ 35 ነዚ፡ ‘መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ ሸይሙካ፧’ ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ እዚ፡+ ኣምላኽ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ፡ ሓለቓን መድሓንን ገይሩ ለኣኾ።+ 36 ንሱ ን40 ዓመት+ ኣብ ግብጽን ኣብ ቀይሕ ባሕርን+ ኣብ በረኻን ተኣምራትን ትእምርትታትን እናገበረ+ ኣውጽኦም።+ 37 “እዚ ሙሴ እዚ እዩ ንደቂ እስራኤል፡ ‘ኣምላኽ ከማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ’ ዝበሎም።+ 38 ንሱ እዩ ኣብ በረኻ ኣብ መንጎ እቲ ጉባኤ ምስቲ ኣብ ከረን ሲና እተዛረቦ+ መልኣኽን+ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፣ ንዓና ምእንቲ ኺህበና ኸኣ ህያው ዝዀነ ቕዱስ ቃል ተቐበለ።+ 39 ንዕኡ ኣቦታትና ደፍእዎ ደኣ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፣+ ብልቦም ድማ ናብ ግብጺ ተመልሱ፣+ 40 ንኣሮን እውን፡ ‘እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝዀነ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በልዎ።+ 41 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ምራኽ ገበሩ፣ ነቲ ጣኦት ከኣ መስዋእቲ ኣምጽኡሉ፣ ብግብሪ ኣእዳዎም እውን ተሓጐሱ።+ 42 ኣምላኽ ድማ ካባታቶም ኣልገሰ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬገልግሉ ኸኣ ኣሕሊፉ ሃቦም፣+ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ነብያት ከምዚ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ፦ ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ 40 ዓመት ኣብ በረኻ ሕሩድን መስዋእትን ዘቕረብኩምሲ ንዓይ ድዩ፧ 43 እኳ ደኣስ ነቶም ከተምልኽዎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት ድንኳን ሞሎኽን+ ኰዀብ ኣምላኽ ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ፡ ክንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ።’+ 44 “ኣቦታትና ኣብ በረኻ ድንኳን ምስክር ነበረቶም፣ ንሳ ኸኣ እታ ንሙሴ ኸምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ እያ።+ 45 እቶም እተቐበልዋ ኣቦታትና ድማ፡ ምስ እያሱ ዀይኖም ናብታ ኣህዛብ ዝነበርዋ እሞ፡+ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ምድሪ ኣእተውዋ።+ ኣብኣ ኸኣ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ጸንሐት። 46 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኸበ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ ዚኸውን መንበሪ ኺሰርሕ ለመነ።+ 47 ቤት ዝሃነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ።+ 48 ግናኸ፡ እቲ ልዑል ብኢድ ኣብ እተሰርሐ ኣባይቲ ኣይነብርን እዩ፣+ እዚ ኸኣ ከምቲ ነብዪ፡ 49 ‘“ሰማይ ዝፋነይ እዩ፣+ ምድሪ ኸኣ ድኳ እግረይ እያ።+ ከመይ ዝበለት ቤት ኢኹም ክትሃንጹለይ፧” ይብል የሆዋ።* “ወይስ እታ ዝዓርፈላ ቦታ ኣበይ ኣላ፧ 50 እዚ ዅሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧”’ ዚብሎ እዩ።+ 51 “ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ፡ ንስኻትኩም ኵሉ ሳዕ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣለኹም፣ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ትገብሩ ኣለኹም።+ 52 ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጕዎ መን እዩ፧+ እወ፡ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዝነገሩ ቐቲሎምዎም፣+ ሕጂ እውን ንስኻትኩም ንዕኡ ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኴንኩም።+ 53 ነቲ ብመላእኽቲ እተመሓላለፈ ሕጊ እተቐበልኩም+ ክነስኹምሲ፡ ኣይሓሎኹምዎን።” 54 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ነደረ፡ ኣስናኖም ከኣ ሓርቀሙሉ። 55 ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ናብ ሰማይ ጠመተ፣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ድማ ረኣየ፣+ 56 “እንሆ፡ ሰማያት ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ+ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣለኹ” እውን በለ።+ 57 ሽዑ፡ ብዓብዪ ድምጺ ጨደሩ፣ ኣእዛኖም ደፊኖም ከኣ፡ ብሓባር ወረርዎ። 58 ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ኺጭፍጭፍዎ ጀመሩ።+ እቶም መሰኻኽር+ ድማ ክዳውንቶም ኣብ ኣእጋር ሳውል ዚብሃል ጐበዝ ኣንበሩ።+ 59 ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸለዉ ኸኣ፡ እስጢፋኖስ፡ “ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል” ኢሉ ተማሕጸነ። 60 ተምበርኪኹ ኸኣ፡ ብብርቱዕ ድምጺ፡ “የሆዋ፡* እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም” ኢሉ ጨደረ።+ እዚ ምስ በለ እውን ሞተ።* 12 በቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ሄሮድስ ንገሊኦም ካብታ ጉባኤ ኽፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሐ።+ 2 ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ+ ኣሰየፎ።+ 3 እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ፡ ንጴጥሮስ እውን ሓዞ። (መዓልትታት በዓል ቅጫ ድማ ነበረ።)+ 4 ሒዙ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፣+ ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ* ሓሲቡ፡ ኣብ ኣርባዕተ እብረ ተመቒሎም፡ በብኣርባዕተ ዀይኖም ንዚሕልውዎ ወተሃደራት ኣሕሊፉ ሃቦ። 5 ጴጥሮስ በዚ ኸምዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፣ እታ ጉባኤ ግና ምእንታኡ ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት።+ 6 ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሓሰበ፡ በታ ናብኣ እተውግሕ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሰንሰለት ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ወተሃደራት ደቂሱ ነበረ፣ እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሓለውቲ ኸኣ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ይሕልውዎ ነበሩ። 7 እንሆ ድማ፡ መልኣኽ የሆዋ* ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፣+ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እውን ብርሃን በርሀ። ንጴጥሮስ ኣብ ጐድኑ ተንክዩ፡ “ቀልጢፍካ ተንስእ!” ኢሉ ኣተንስኦ። እቲ ሰንሰለት ከኣ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ።+ 8 እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካ እውን ውደ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ። ንሱ ድማ፡ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዓበኒ” በሎ። 9 ንሱ እውን ወጺኡ ሰዓቦ፣ ግናኸ፡ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ በቲ መልኣኽ ዚኸውን ዝነበረ ነገር ሓቂ ምዃኑ ኣይፈለጠን። 10 ነቶም ቀዳሞትን ካልኦትን ሓለውቲ ምስ ሓለፉ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜምርሕ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፣ እዚ እውን ባዕሉ ተኸፍተሎም። ምስ ወጹ ኸኣ፡ ብሓንቲ ጐደና ኸዱ፣ ብኡብኡ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተፈልየ። 11 ጴጥሮስ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ተረድአ ድማ፡ “የሆዋ* መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩን ከም ዘናገፈኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈሊጠ” በለ።+ 12 ምስ ተፈለጦ፡ ናብ ቤት ማርያም ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ከደ፣+ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13 ማዕጾ እቲ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕኵሐ፡ ሮዳ ዝስማ ገረድ መን ምዃኑ ኽትሰምዕ መጸት። 14 ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ካብ ታሕጓስ እተላዕለ ነቲ ማዕጾ ኸይከፈተት፡ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ነገረት። 15 ንሳቶም ግና፡ “ተጸሊልኪ ኢኺ” በልዋ። ንሳ ግና ከምኡ ምዃኑ ኣርጊጻ ተዛረበት። ሽዑ፡ “መልኣኹ እዩ” በሉ። 16 ጴጥሮስ ግና ይዅሕኵሕ ነበረ። ማዕጾ ምስ ከፈቱ፡ ረኣይዎ እሞ ተደመሙ። 17 ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፣ የሆዋ* ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ ኣዘንተወሎም፣ “እዚ ንያእቆብን+ ንኣሕዋትን ንገርዎም” ድማ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ። 18 መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት፡ ‘ጴጥሮስ እንታይ ኰን ኰይኑ፧’ ኢሎም ብዙሕ ተረበሹ። 19 ሄሮድስ ኣናድዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቕጽዑ ኣዘዘ፣+ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ፡ ኣብኣ ቐነየ። 20 ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶንን ተቘጢዕዎም* ነበረ። ንሳቶም ከኣ ሓቢሮም ናብኡ መጹ እሞ፡ ሃገሮም እትረኽቦ ምግቢ ኻብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ኣዛዝ ቤት ንጉስ* ኣእሚኖም ዕርቂ ለመኑ። 21 ብምድብቲ መዓልቲ ግና፡ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቲ ለቢሱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ፣ ተዛረቦም እውን። 22 እቶም እተኣከቡ ህዝቢ ድማ፡ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን!” ኢሎም ጨደሩ። 23 ንሱ ንኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይሃበ ኸኣ፡ መልኣኽ የሆዋ* ብቕጽበት ወቕዖ፣ ሓሲኹ እውን ሞተ። 24 ቃል የሆዋ* ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ።+ 25 በርናባስን+ ሳውልን ነቲ ዕዮ ረድኤት ኣብ የሩሳሌም ምስ ፈጸሙ፡+ ነቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ተማሊኦምዎ ተመልሱ።+ 1 ኦ ቴዎፍሎስ፡ ኣብቲ ቐዳማይ ዛንታ፡ ካብቲ የሱስ ኪገብርን ኪምህርን ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡+ 2 ክሳዕ እታ ነቶም ዝሓረዮም+ ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ትእዛዝ ምስ ሃበ ዝዓረገላ+ መዓልቲ ጽሒፈልካ እየ። 3 መከራ ድሕሪ ምጽጋቡ፡ 40 መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን፡+ ብብዙሕ ዜእምን መርትዖታት፡ ህያው ከም ዝዀነ ገዛእ ርእሱ ኣርኣዮም።+ 4 ምሳታቶም ኪራኸብ ከሎ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ኣቦ ዘተስፈዎ ተስፋ ደኣ ተጸበዩ እምበር፡+ ካብ የሩሳሌም ኣይትውጽኡ፣+ 5 ዮሃንስሲ ብማይ እዩ ኣጥሚቑ፣ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም።”+ 6 ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+ 7 ንሱ ድማ፡ “ነቲ ኣቦ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝመደቦ ግዜያት ወይ እዋናት ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።+ 8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡+ ኣብ የሩሳሌምን+ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን+ ክሳብ ወሰናት ምድርን+ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”+ በሎም። 9 እዚ ምስ በለ፡ እናረኣዩ ዓረገ፣ ደበና ኸኣ ካብ ኣዒንቶም ሰወሮ።+ 10 ንሱ ኺዓርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ኪጥምቱ ኸለዉ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት+ ብሃንደበት ኣብ ጥቓኦም ደው በሉ፣ 11 “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ደው ኢልኩም ናብ ሰማይ ትጥምቱ ኣለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪኸይድ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” ድማ በልዎም። 12 ሽዑ፡ ካብቲ መገዲ ሰንበት ጥራይ ርሒቑ ዚርከብ ጥቓ የሩሳሌም ዘሎ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል ከረን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።+ 13 ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብታ ዝቐነዩላ ደርቢ ደየቡ። ኣብኣ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን እቲ ቐናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ።+ 14 ኵሎም እዚኣቶም፡ ምስ ገሊአን ኣንስትን+ ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን+ ኰይኖም፡ ሓቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ። 15 በተን መዓልትታት እቲአን፡ 120 ዚኣኽሉ ሰባት ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ ኸምዚ በለ፦ 16 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብዳዊት ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ዝመርሖም+ ይሁዳ+ ብትንቢት እተዛረቦ ቕዱስ ጽሑፍ ኪፍጸም ነይርዎ። 17 ንሱስ ምሳና ተቘጺሩ ነይሩ፣+ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ድማ ግደ ነይርዎ። 18 (እምበኣር፡ ንሱ በቲ ዓስቢ ዓመጻ፡ ግራት ዓዲጉ፣+ ቍልቁል ርእሱ ወዲቑ፡ ከብዱ ተተርቲሩ፡ ኵሉ ኣምዑቱ እውን ወጺኡ።+ 19 እዚ እውን፡ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ስለ እተፈልጠ፡ እታ መሬት ብቛንቋኦም ኣከልደማ፡ ማለት “መሬት ደም” ተባሂላ ኣላ።) 20 ኣብ መጽሓፍ መዝሙርሲ፡ ‘መንበሪኡ ትባድም፡ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይንበር’+ ድማ ‘ሓላውነቱ* ኻልእ ይውሰዶ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ 21 ስለዚ፡ ካብዞም ጐይታና የሱስ ኣብ መንጎና ተግባራቱ ይገብር ኣብ ዝነበረሉ* ዅሉ እዋን ምሳና ዝነበሩ ሰብኡት፡ 22 ማለት ካብዞም ካብታ ብዮሃንስ እተጠምቀላ ግዜ ኣትሒዙ+ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዓረገላ መዓልቲ+ ምሳና ዝነበሩ ሰብኡት፡ ሓደ ኻብዚኣቶም ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።”+ 23 ንኽልተ ኸኣ፡ ማለት ነቲ በርሰባስ ዚብሃል፡ ዮስጦስ እውን ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ኣቕረቡ። 24 ከምዚ ኢሎም ከኣ ጸለዩ፦ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ የሆዋ፡*+ ካብዞም ክልተ ሰብኡት ኣየናይ ከም ዝሓረኻ ኣርኢ፣ 25 ንሱ ነዛ ይሁዳ ናብ ቦታኡ ምእንቲ ኪኸይድ ዝሓደጋ ቦታ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበል እዩ።”+ 26 ዕጫ ኸኣ ኣውደቑሎም፣+ እታ ዕጫ ድማ ኣብ ማትያስ በጽሐት፣ ምስቶም 11 ሃዋርያት እውን ተቘጽረ። 28 ምስ ደሓንና ኸኣ፡ እታ ደሴት ማልታ ኸም እትብሃል ፈለጥና።+ 2 እቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ህዝቢ* ድማ ፍልይ ዝበለ ርሕራሐ* ገበሩልና። ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን ቍሪ ስለ ዝነበረን፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዅላትና ተቐበሉና። 3 ጳውሎስ ብዙሕ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኼእቱ ኸሎ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ረስኒ፡ ኣፍዑት ወጺኡ፡ ኣብ ኢዱ ተጣበቐ። 4 እቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ህዝቢ ነቲ ሕንዛም ፍጥረት ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ምስ ረኣዩ፡ ንሓድሕዶም፡ “እዚ ሰብ እዚ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፣ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፡ ፍትሒ* ግና ብህይወት ኪነብር ኣይሓደገቶን” ተባሃሃሉ። 5 ንሱ ግና ነቲ ሕንዛም ፍጥረት ናብቲ ሓዊ ጸግ ኣበሎ፡ ገለ እውን ኣይጐድኦን። 6 ንሳቶም ከኣ፡ ኪሓብጥ ወይ ብሃንደበት ሞይቱ ኺወድቕ ይጽበይዎ ነበሩ። ነዊሕ ተጸብዮም ገለ እኳ ኸም ዘይተጐድአ ምስ ረኣዩ፡ ሓሳቦም ለዊጦም፡ ኣምላኽ ምዃኑ ተዛረቡ። 7 ኣብ ጥቓ እታ ቦታ ኸኣ፡ እቲ ጱብልዮስ ዝስሙ ኣውራ እታ ደሴት፡ ግራውቲ ነበሮ፣ ንሱ ተቐቢሉ ንሰለስተ መዓልቲ ጽቡቕ ገይሩ ኣአንገደና። 8 ኣቦ ጱብልዮስ ድማ ረስንን ውጽኣትን ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ፣ ጳውሎስ ከኣ ናብኡ ኸይዱ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩ ጸለየሉ እሞ ሓወየ።+ 9 እዚ ምስ ኰነ፡ እቶም ዝተረፉ ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መጺኦም ተፈወሱ።+ 10 ብብዙሕ ህያባት ከኣ ኣኽበሩና፣ ብመርከብ ክንነቅል ከለና እውን፡ ዜድልየና ዘበለ ሃቡና። 11 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ፡ በታ ኣብታ ደሴት ዝኸረመት፡ “ደቂ ድያ”* ዚብል ኣርማ ዘለዋ፡ ካብ እስክንድርያ ዝመጸት መርከብ ጌርና ነቐልና። 12 ኣብ ሲራኩሳ ምስ በጻሕና ድማ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና፣ 13 ካብኣ ሓሊፍና ኸኣ፡ ኣብ ረግዩም በጻሕና። ንጽብሒቱ፡ ንፋስ ደቡብ ነፈሰ እሞ፡ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና። 14 ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሸውዓተ መዓልቲ ኽንቅኒ እውን ለመኑና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ናብ ሮሜ ገጽና ኸድና። 15 ካብኣ እውን፡ እቶም ኣሕዋት ወረና ምስ ሰምዑ፡ ኪቕበሉና ኢሎም ክሳብ ዕዳጋ ኣጵዩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን መጹ። ጳውሎስ ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን።+ 16 ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ድማ፡ ጳውሎስ ምስ ሓደ ዚሕልዎ ወተሃደር ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ። 17 ግናኸ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣንጻር ህዝብና ወይ ኣንጻር ልምዲ ኣቦታትና+ ሓንቲ ዘይገበርኩ ኽነሰይ፡ ካብ የሩሳሌም እሱር ኰይነ ናብ ኢድ ሮማውያን ተዋሂበ።+ 18 ንሳቶም መርሚሮም+ ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ኪፈትሑኒ ደልዮም ነይሮም።+ 19 ኣይሁድ ምስ ተቓወሙ ግና፡ ናብ ቄሳር ይግባይ ክብል ተገዲደ፣+ ግናኸ፡ ንህዝበይሲ ዚኸስሰሉ ነገር ስለ ዘሎኒ ኣይኰነን። 20 እምበኣር፡ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ ሰንሰለት እዚ ተኣሲረ ዘለኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም” በሎም።+ 21 ንሳቶም ከኣ፡ “ብዛዕባኻ ኻብ ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፣ ካብቶም ካብኣ ዝመጹ ኣሕዋት እውን ብዛዕባኻ ኽፉእ ዘውረየ ወይ እተዛረበ የልቦን። 22 ብዛዕባ እዛ ኑፋቐ+ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ኸም ዚቃወምዋ ንፈልጥ ኢና እሞ፡+ ሓሳባትካ ኻባኻ ኽንሰምዕ ግቡእ ይመስለና” በልዎ። 23 መዓልቲ ምስ ተቛጸሩ፡ ብዙሓት ኰይኖም ናብታ ዝዓረፈላ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ድማ፡ ካብ ሕጊ ሙሴን+ ካብ ነብያትን+ ብዛዕባ የሱስ+ ምእንቲ ኼእምኖም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ እናመስከረ ገለጸሎም። 24 ገሊኣቶም ነቲ ዝበሎ ኣመንዎ፣ ገሊኣቶም ግና ኣይኣመንዎን። 25 ንሓድሕዶም ምስምማዕ ስኢኖም ኪኸዱ ምስ ተበገሱ ኸኣ፡ ጳውሎስ እዚ ቓል እዚ ተዛረቦም፦ “መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ንኣቦታትኩም ጽቡቕ እዩ ተዛሪብዎም፣ 26 ከምዚ ኢሉ፦ ‘ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ፡ ከምዚ በሎም፦ “ብርግጽ ክትሰምዑ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይክትርድኡን ኢኹም፣ ብርግጽ እውን ክትርእዩ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተብህሉን ኢኹም።+ 27 ከመይሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ደንዚዙ ኣሎ እሞ፡ ብኣዒንቶም ከይርእዩ፡ ብኣእዛኖም ከይሰምዑ፡ ብልቦም ከይርድኡ፡ ከይምለሱ፡ ኣነ እውን ከየሕውዮምሲ፡ ብኣእዛኖም ሰሚዖም ምላሽ ኣይሃቡን፡ ኣዒንቶም ከኣ ዓሚቶም እዮም።”’+ 28 እምበኣር፡ እዚ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ድሕነት ናብ ኣህዛብ ከም እተላእከ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፣+ ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።”+ 29 *—— 30 ኣብታ እተኻረያ ቤት ከኣ ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፣+ ንዅሎም እቶም ናብኡ ዝመጹ እውን ብጽቡቕ ይቕበሎም ነበረ፣ 31 ከይተኸልከለ ድማ ብብዙሕ ትብዓት+ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎምን ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህሮምን ነበረ። 8 ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ብርቱዕ መስጐጕቲ ተላዕለ፣ ብዘይካ ሃዋርያት ከኣ፡ ኵላቶም ናብ ዞባታት ይሁዳን ሰማርያን ፋሕ በሉ።+ 2 ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰብኡት ግና፡ ንእስጢፋኖስ ኪቐብርዎ ወሰድዎ፣ ብዙሕ እውን ኣልቀሱሉ። 3 ሳውል ግና ነታ ጉባኤ የጥፍኣ ነበረ። ናብ በቤት እናኣተወ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።+ 4 እቶም ፋሕ ዝበሉ ግና፡ ቃል ብስራት እናኣበሰሩ ኣብታ ምድሪ ዞሩ።+ 5 ፊልጶስ ከኣ ናብ ከተማ ሰማርያ* ወሪዱ፡+ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም። 6 እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርትታት ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ብሓደ ሰሚሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ኣቕለቡ። 7 ከመይሲ፡ ርኹሳት መናፍስቲ፡ ካብቶም ሓዲሮምዎም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ እናጨደሩ ይወጹ ነበሩ።+ ብዙሓት ልሙሳትን ሓንካሳትን እውን ሓወዩ። 8 ኣብታ ኸተማ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። 9 ኣብታ ኸተማ ኸኣ ስምኦን ዝስሙ ቕድም ስሒር ዚገብር ዝነበረ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ድማ ‘ዓብዪ እየ’ እናበለ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። 10 ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ኸኣ ኵላቶም፡ “እቲ ዓብዪ ዚብሃል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ” ኢሎም የቕልቡሉ ነበሩ። 11 ንነዊሕ እዋን ብስሒሩ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ የቕልቡሉ ነበሩ። 12 ፊልጶስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን+ ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም ምስ ኣመንዎ ግና፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ።+ 13 ስምኦን ባዕሉ እኳ ኣመነ፣ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ምስ ፊልጶስ ለገበ፣+ ትእምርትታትን ዓበይቲ ግብርታት ሓይልን ምስ ረኣየ እውን፡ ኣስተንከረ። 14 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ምስ ሰምዑ፡+ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ለኣኹሎም፣ 15 ንሳቶም ወሪዶም ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪረኽቡ ጸለዩሎም።+ 16 ምኽንያቱ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ናብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ።+ 17 ሽዑ፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም+ እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። 18 ስምኦን ከኣ እቲ መንፈስ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ ገንዘብ ኣምጺኡ፡ 19 “ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ ዘበለ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንዓይ እውን እዚ ስልጣን እዚ ሃቡኒ” በሎም። 20 ጴጥሮስ ግና፡ “ነቲ ናጻ ውህበት ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ፡ ብሩርካ ምሳኻ ይጥፋእ።+ 21 ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን። 22 እምበኣር፡ ካብዚ ኽፍኣትካ ተነሳሕ፣ ምናልባት ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ፡ ናብ የሆዋ* ተማህለል፣ 23 መሪር መርዝን* ባርያ ዓመጻን ምዃንካስ እርኢ ኣለኹ” በሎ። 24 ስምኦን ከኣ፡ “ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ናብ የሆዋ* ተማህለሉለይ” ኢሉ መለሰሎም። 25 ንሳቶም ድማ ኣጸቢቖም ምስ መስከሩን ቃል የሆዋ* ምስ ነገሩን፡ ኣብ ብዙሓት ኣቝሻት ሳምራውያን እናኣበሰሩ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።+ 26 ግናኸ፡ መልኣኽ የሆዋ*+ ንፊልጶስ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ደቡብ፡ ናብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋዛ እተውርድ መገዲ ኺድ” ኢሉ ተዛረቦ። (ንሳ መገዲ ምድረ በዳ እያ።) 27 ተንሲኡ ኸኣ ከደ፣ እንሆ ድማ፡ ሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ፡* ኣብ ትሕቲ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ስልጣን ዝነበሮ፡ ኣብኣ ነበረ። ንሱ ኼምልኽ ናብ የሩሳሌም ከይዱ ነበረ፣+ 28 ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ የንብብ ነበረ። 29 መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ “ኪድ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ” በሎ። 30 ፊልጶስ ጐድኒ ጐድኑ ጐየየ፡ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ ኼንብብ ከሎ ድማ ሰምዖ እሞ፡ “ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ* ኢኻ፧” በሎ። 31 ንሱ ኸኣ፡ “ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” በሎ። ንፊልጶስ ድማ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ። 32 እቲ ዓው ኢሉ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ቕዱስ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፦ “ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተወሲዱ፣ ኣብ ቅድሚ ቐምቃማዩ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል* ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን።+ 33 ብግዜ ውርደቱ፡ ፍትሒ ኻብኡ ተወሲዳ።+ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ብዛዕባ ናይ ወለዶኡ ዝርዝር መን ኬዘንቱ እዩ፧”+ 34 እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ “እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ፧ በጃኻ ንገረኒ” በሎ። 35 ፊልጶስ ድማ ኣፉ ኸፈተ፣ ካብዚ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ። 36 መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ፣ እቲ ስሉብ ከኣ፡ “እንሆ ማይ፣ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” በለ። 37 *—— 38 ሽዑ፡ እቲ ሰረገላ ደው ኪብል ኣዘዘ፣ ክልቲኦም ፊልጶስን እቲ ስሉብን ናብቲ ማይ ወረዱ፣ ኣጥመቖ እውን። 39 ካብ ማይ ምስ ወጹ ድማ፡ መንፈስ የሆዋ* ንፊልጶስ ብቕልጡፍ መርሖ፣ እቲ ስሉብ ድማ ተሓጒሱ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን። 40 ፊልጶስ ከኣ ኣብ ኣሽዶድ ተረኽበ፣ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዚበጽሕ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታት እናዞረ የበስር ነበረ።+ 11 ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋትን፡ ኣህዛብ እውን ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ ሰምዑ። 2 ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ኸኣ፡ እቶም ደገፍቲ ግዝረት+ ነቐፍዎ፡* 3 “ናብ ቤት ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ፡ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ” ድማ በልዎ። 4 ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ኢሉ ብዝርዝር ኪገልጸሎም ጀመረ፦ 5 “ኣብ ከተማ ዮጴ* እጽሊ ነይረ፣ ተመሲጠ ኸለኹ ድማ ብኣርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ዓለባ በፍታ ዚመስል ነገር* ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ብራእይ ርእየ፣ ናባይ እውን መጺኡ።+ 6 ናብኡ ምስ ጠመትኩ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታት ምድርን ኣራዊትን ለመምትን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣስተብሂለ። 7 ‘ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ!’ ዚብል ድምጺ እውን ሰሚዐ። 8 ኣነ ግና፡ ‘ጐይታይ፡ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከቶ ናብ ኣፈይ ኣትዩ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ’ ኢለ። 9 ካልኣይ ሳዕ፡ ‘ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ’ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መሊሱለይ። 10 እዚ ኸኣ ሳልሳይ ሳዕ ኰይኑ፣ ኵሉ ድማ ከም ብሓድሽ ናብ ሰማይ ተሳሒቡ። 11 ኣብታ ህሞት እቲኣ ኸኣ፡ ካብ ቂሳርያ ናባይ እተላእኩ ሰለስተ ሰብኡት፡ ኣብታ ዝነበርክዋ ቤት ደው ኢሎም ነይሮም።+ 12 መንፈስ ከኣ ከይተጠራጠርኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነጊሩኒ። እዞም ሽዱሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከይዶም፣ ናብ ቤት እቲ ሰብኣይ እውን ኣቲና። 13 “ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ ኸም ዝረኣየን፡ ‘ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸውዓዮ፣+ 14 ንስኻን ኵሎም ቤተ ሰብካን እትድሕኑሉ ቓል ድማ፡ ንሱ ኺነግረካ እዩ’ ኸም ዝበሎን ነጊሩና። 15 ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ መጀመርታ ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶም እውን ወሪዱ።+ 16 ሽዑ፡ ነቲ ጐይታ፡ ‘ዮሃንስ፡ ብማይ እዩ ኣጥሚቑ፣+ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም’ ዚብሎ ዝነበረ ቓል ዘኪረ።+ 17 እምበኣር፡ ኣምላኽ ከምቲ ንዓና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና፡ ንዓታቶም እውን ሕደ ናጻ ውህበት ካብ ዚህቦም፡ ኣነ መን እየ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል፧”+ 18 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምቅዋሙ ሓደጉ* እሞ፡ “እምበኣርከስ ኣምላኽ ንኣህዛብ እውን ናብ ህይወት ዚመርሕ ንስሓ ፈቒዱሎም” እናበሉ ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።+ 19 እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ ጸበባ ፋሕ ዝበሉ ኸኣ፡+ ክሳብ ፊንቄን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ከዱ፣ እቲ ቓል ግና ንኣይሁድ ጥራይ ነገሩ።+ 20 ገለ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀሬኔን ነበሩ፣ ንሳቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ ብስራት ጐይታና የሱስ እናኣበሰሩ፡ ነቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ነገርዎም። 21 ኢድ የሆዋ* ኸኣ ምሳታቶም ነበረት፣ ብዙሕ ዝቝጽሮም ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ።+ 22 እቲ ወሪኦም፡ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ጉባኤ ተሰምዐ፣ ንሳቶም ድማ ንበርናባስ+ ናብ ኣንጾክያ ለኣኽዎ። 23 ንሱ ኣብኡ በጺሑ፡ ጸጋ ኣምላኽ ምስ ረኣየ፡ ተሓጐሰ፡ ካብ ልቦም ቈሪጾም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ ኸኣ ኣተባብዖም፣+ 24 ከመይሲ፡ ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ ነበረ። ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ናብ ጐይታ ተወሰኸ።+ 25 ንሱ ድማ ንሳውል ኬናድዮ ናብ ጠርሴስ ከደ።+ 26 ምስ ረኸቦ ድማ ናብ ኣንጾክያ ኣምጽኦ። ምሉእ ዓመት ከኣ ምሳታቶም ኣብታ ጉባኤ ተኣከቡ፡ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብመለኮታዊ መምርሒ፡ ክርስትያናት ተባሂሎም እተሰምዩ ድማ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣንጾክያ ነበረ።+ 27 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ነብያት+ ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ። 28 ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ+ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኵላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ፣+ እዚ ድማ ብዘመን ቅላውዴዎስ ኰነ። 29 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሙ፡+ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ኣሕዋት ረድኤት* ኪሰድዱሎም ወሰኑ፣+ 30 ነዚ ድማ፡ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም ናብቶም ሽማግለታት ብምልኣኽ ገበርዎ።+ 2 ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ*+ ድማ፡ ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ ነበሩ። 2 ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ፣ ንብዘላ እታ ተቐሚጦምላ ዝነበሩ ቤት እውን መልኣ።+ 3 ልሳናት ሓዊ ዚመስል ከኣ ተራእዮም፣ ተመቓቒሉ ኸኣ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ዓለበ። 4 ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ+ እሞ፡ ከምቲ እቲ መንፈስ ኪዛረቡ ዘኽኣሎም እውን ብኻልእ ቋንቋታት* ኪዛረቡ ጀመሩ።+ 5 በቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዅሎም ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ነበሩ።+ 6 እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ ህዝቢ ተኣከቡ፣ በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ስለ ዝሰምዕዎም ከኣ ደንጸዎም። 7 ተደሚሞምን ተገሪሞምን ከኣ ከምዚ በሉ፦ “እንሆ፡ ኵሎም እዞም ዚዛረቡ ዘለዉ፡ ገሊላውያን+ ደይኰኑን፧ 8 ከመይ ኢልና ደኣ ኢና ነፍሲ ወከፍና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ እንሰምዖም ዘለና፧ 9 ንሕና ሰብ ጳርትያውያንን ሜዶናውያንን+ ዔላማውያንን+ ነበርቲ መሶጶታምያን ይሁዳን ቀጶዶቅያን ጶንጦስን ኣውራጃ እስያን+ 10 ፍርግያን ጰምፊልያን ግብጽን ዞባታት ሊብያ ጥቓ ቀሬኔን ካብ ሮሜ ዝመጹ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን+ 11 ቅሬጥሳውያንን ኣዕራብን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ በብቛንቋና ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣለና።” 12 ኵላቶም ተደሚሞምን ደንጽይዎምን፡ “እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧” ተባሃሃሉ። 13 ካልኦት ግና ኣላገጹሎም፡ “ጕዕሽ ወይኒ ጸጊቦም እዮም” ድማ በሉ። 14 ጴጥሮስ ግና ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡+ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዅላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። 15 ሳልሰይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ* እያ እሞ፡ ከምዚ ንዓኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ኣይሰኸሩን። 16 እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፦ 17 ‘“በተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ይብል ኣምላኽ፡ “ካብ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጕባዝኩም ራእያት ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹም እውን ሕልምታት ኪሓልሙ እዮም፣+ 18 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ካብ መንፈሰይ ኣብ ተባዕትዮ ባሮተይን ኣንስትዮ ባሮተይን እውን ከፍስስ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።+ 19 ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓ ትክን ክህብ እየ። 20 እታ ዓባይን ድምቕትን መዓልቲ የሆዋ* ቕድሚ ምምጻኣ፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። 21 ስም የሆዋ* ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ።”’+ 22 “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓል እዚ ስምዑ፦ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ከም እትፈልጥዎ፡ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ፡ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ግብርታት ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትታትን፡ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ እዩ ነይሩ።+ 23 ነዚ ኣምላኽ ብዝወሰኖ ፍቓድን* ኣቐዲሙ ብዝፈለጦ ፍልጠትን ኣሕሊፍካ እተዋህበ ድማ፡+ ብኢድ እቶም ጠሓስቲ ሕጊ ኣብ ጕንዲ ሰቒልኩምዎን ቀቲልኩምዎን ኢኹም።+ 24 ግናኸ፡ ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ፡+ ኣምላኽ ካብ ሞት* ፈቲሑ ኣተንሲእዎ እዩ።+ 25 ዳዊትሲ ብዛዕባኡ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንየሆዋ* ወትሩ ኣብ ቅድመይ* እገብሮ እየ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ከቶ ኣይናወጽን እየ። 26 ስለዚ፡ ልበይ ተሓጒሱ፡ ልሳነይ ከኣ ባህ ኢልዋ። ኣነ እውን ብተስፋ ኽሓድር እየ፣* 27 ምኽንያቱ፡ ንዓይ* ኣብ መቓብር* ኣይትሓድገንን ኢኻ፣ እሙንካ ጥፍኣት ኪርኢ እውን ኣይትፈቅድን ኢኻ።+ 28 መገድታት ህይወት ኣፍሊጥካኒ፡ ኣብ ቅድሜኻ* ኸኣ ብዓብዪ ሓጐስ ክትመልኣኒ ኢኻ።’+ 29 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት እቲ ርእሲ ዓሌት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡+ መቓብሩ እውን ክሳዕ ሎሚ ምሳና ኸም ዘሎን፡ ንዓኻትኩም ብትብዓት ክዛረብ ፍቐዱለይ። 30 እምበኣር፡ ንሱ ነብዪ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ኻብ ዘርኡ* ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ ምዃኑ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ድማ ስለ ዝፈለጠ፡+ 31 ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንሱ ኣብ መቓብር* ከም ዘይሕደግ፡ ስጋኡ እውን ጥፍኣት* ከም ዘይርኢ፡ ኣቐዲሙ ርእዩ ተዛሪቡ እዩ።+ 32 ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ኸኣ ኵላትና መሰኻኽር ኢና።+ 33 እምበኣር፡ ንሱ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ስለ ዝበለን+ ነቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ስለ እተቐበለን፡+ ነዚ እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም ኣፍሲስዎ ኣሎ። 34 ዳዊትሲ ናብ ሰማያት ኣይዓረገን፣ ግናኸ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ‘የሆዋ* ንጐይታይ፡ 35 “ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ’+ ኢሉ እዩ። 36 እምበኣር፡ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ጐይታን+ ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ኵላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ።”+ 37 ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግአ እሞ፡ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያትን፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፧” በልዎም። 38 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ተነስሑ፡+ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣቱ+ ይጠመቕ፣+ ናጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እውን ክትቅበሉ ኢኹም። 39 እቲ ተስፋስ+ ንዓኻትኩምን ንደቅኹምን ንዅሎም እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉን፡ ኰታስ ንዅሎም እቶም የሆዋ* ኣምላኽና ናብኡ ዚጽውዖም ዘበሉ እዩ” በሎም።+ 40 “ካብዚ ቔናን ወለዶ እዚ ድሓኑ” እናበለ ኸኣ ብብዙሕ ካልእ ቃል ኣጸቢቑ መስከረሎምን መዓዶምን።+ "41 ስለዚ፡ እቶም ነቲ ቓሉ ተሓጒሶም እተቐበልዎ ተጠምቁ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣስታት 3,000 ሰባት* ተወሰኹ።+" 42 ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን* ብምቝራስ እንጌራን+ ብጸሎትን ከኣ ጸኒዖም ነበሩ።+ 43 እወ፡ ኣብ ኵሉ ሰብ* ፍርሃት ኰነ፣ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትታትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ።+ 44 ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ብሓንሳእ ነበሩ፣ ዘለዎም ኵሉ እውን ናይ ሓባር ነበረ፣ 45 ጥሪቶምን+ ንብረቶምን ሸይጦም ከኣ፡ ንዅሎም ከከም ዜድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።+ 46 መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ከየብኰሩ ብሓባር ይእከቡ ነበሩ፣ ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ድማ ይምገቡ፡ ብታሕጓስን ብግሩህ ልብን ከኣ ምግቦም ይማቐሉ ነበሩ፣ 47 ንኣምላኽ ይውድስዎ ነበሩ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እውን ሞገስ ነበሮም። የሆዋ* ድማ ዚድሕኑ መዓልቲ መዓልቲ ይውስኸሎም ነበረ።+ 26 ኣግሪጳ+ ኸኣ ንጳውሎስ፡ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ፡ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኸምዚ ኢሉ ተማጐተላ፦ 2 “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ብኣይሁድ እተኸሰስኩሉ+ ነገር ብምምጓተይ፡ ንርእሰይ ሕጕስቲ ገይረ እየ ዝርእያ፣ 3 ምናዳ ንስኻ ንዅሉ ልምድን ክርክርን ኣይሁድ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዚ፡ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣለኹ። 4 “ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኣብ መንጎ ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ናብራ እኳ፡ ኵሎም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም፣+ 5 እቶም ካብ ቀደም ኣትሒዞም ዚፈልጡኒ፡ ኪምስክሩ እንተ ደልዮምሲ፡ ከምቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና+፡ ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ ይፈልጡ እዮም።+ 6 ሕጂ ግና ስለቲ ኣምላኽ ንኣቦታትና ዘተስፈዎ ቓል ተስፋ+ ኣብ ፍርዲ ቘይመ ኣለኹ፣ 7 እቶም 12 ነገዳትና ለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገልዎ፡* እዚ ቓል ተስፋ እዚ ኺፍጸም ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ኦ ንጉስ፡ ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ እተኸሰስኩ።+ 8 “ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ጌርኩም ትርእይዎ* ኣለኹም፧ 9 ኣነ እውን ምስ ስም የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይመስለኒ ነይሩ። 10 ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚ እየ ገይረ፣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ+ ድማ፡ ንብዙሓት ቅዱሳት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትየዮም፣+ ኪቕተሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰሚረ እየ። 11 ኣብ ኵሉ ምኵራባት ብዙሕ ሳዕ እናቐጻዕክዎም፡ እምነቶም ኪኽሕዱ ኸገድዶም ፈቲነ እየ፣ ኣዝየ ተሃንዲደዮም ስለ ዝነበርኩ፡ ክሳብ እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ከይደ ሰጒጐዮም እየ። 12 “እዚ እናገበርኩ፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣንን መዝነትን ተዋሂቡኒ፡ ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከለኹ፡ 13 ኦ ንጉስ፡ ቀትሪ ኣብ መገዲ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኪበርህ ከሎ ርእየ።+ 14 ኵላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ‘ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧ ንመጕጠዪ* ትረግሕ እንተ ዄንካ፡ ንዓኻ እዩ ዚገድደካ’ ዚብለኒ ድምጺ ሰሚዐ። 15 ኣነ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧’ ኢለ ሓቲተ። ጐይታ ኸኣ ከምዚ ኢሉኒ፦ ‘እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እየ። 16 ግናኸ፡ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል። ኣገልጋልን ምስክርን እቲ ብዛዕባይ ዝረኣኻዮን ገና ዘርእየካን ክትከውን ክሓርየካ ኢለ እየ እተገለጽኩልካ።+ 17 ካብዚ ህዝቢ እዝን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ዘለኹ ኣህዛብን ድማ ከናግፈካ እየ፣+ 18 ሕድገት ሓጢኣትን+ ኣብ መንጎ እቶም ብኣይ ብምእማኖም እተቐደሱ ኸኣ ርስትን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም፡+ ካብ ጸልማት+ ናብ ብርሃን፡+ ካብ ስልጣን ሰይጣን+ እውን ናብ ኣምላኽ ክትመልሶም ኢኻ።’ 19 “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለዚ፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን፣ 20 የግዳስ፡ ቅድም ነቶም ኣብ ደማስቆ+ ዝነበሩ፡ ደሓር ከኣ ነቶም ኣብ የሩሳሌምን+ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን ዝነበሩን ንኣህዛብን፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን ነጊረዮም እየ።+ 21 ስለዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ፡ ኪቐትሉኒ እውን ፈቲኖም።+ 22 ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ስለ ዝረኸብኩ ግና፡ ንንእሽቶን ንዓብይን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እምስክር ኣለኹ፣ ብዘይካ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ካልእ ሓንቲ እኳ ኣይበልኩን፣+ 23 እዚ ኸኣ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚጸግብ፡+ ካብ ምዉታት ቀዳማይ ኰይኑ ዚትንስእ ብምዃኑ+ እውን ነዚ ህዝቢ እዝን ንኣህዛብን ብርሃን ከም ዚሰብኽ ዚብል እዩ።”+ 24 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኺማጐት ከሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ “ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ! ብዙሕ ትምህርቲ የጸልለካ ኣሎ!” በሎ። 25 ጳውሎስ ግና፡ “ኦ ኽቡር ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ልብምናን ደኣ እዛረብ ኣለኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን። 26 እዚ ኣነ ብትብዓት ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ እኳ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፣ እዚ ብሕቡእ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ገለ እኳ ኸም ዘይጠፍኦ እኣምን እየ።+ 27 ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ” በለ። 28 ኣግሪጳ ግና ንጳውሎስ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜስ ክርስትያን ክኸውን መእመንካኒ” በሎ። 29 ጳውሎስ ከኣ፡ “እንተ ኣብ ሓጺር፡ እንተ ኣብ ነዊሕ ግዜ ንስኻ ጥራይ ዘይኰንካስ፡ ኵሎም እዞም ሎሚ ዚሰምዑኒ ዘለዉ እውን፡ ብዘይካ እዚ መቝሐይሲ፡ ከምዚ ኸማይ ኪዀኑ እየ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝምነ” በለ። 30 ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ተንስአ፣ እቲ ሹምን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን እውን ከምኡ። 31 ካብኡ ኪኸዱ ኸለዉ ግና፡ “እዚ ሰብ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይገበረን” ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ።+ 32 ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ “እዚ ሰብ እዚ ናብ ቄሳር ይግባይ እንተ ዘይብል ነይሩ፡ ኪፍታሕ ምተኻእለ” በሎ።+ 4 እቶም ክልተ ንህዝቢ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ካህናትን ሓለቓ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን+ መጽዎም። 2 ንህዝቢ ይምህሩን የሱስ ካብ ምዉታት ምትንሳኡ የፍልጡን* ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ሓረቑ።+ 3 ኣእዳዎም ዘርጊሖም ድማ ሓዝዎም፣ መስዩ ነበረ እሞ፡ ክሳዕ ንጽብሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም።+ "4 ካብቶም ነቲ ዘረባ ዝሰምዕዎ ብዙሓት ግና ኣመኑ፣ ቍጽሪ እቶም ሰብኡት ድማ ኣስታት 5,000 ኰነ።+ " 5 ንጽብሒቱ፡ ኣሕሉቖምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ፣ 6 ምሳታቶም እውን ሃና+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን+ ዮሃንስን እስክንድሮስን ቤተ ሰብ ሊቀ ኻህናት ዘበሉን ነበሩ። 7 ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ “በየናይ ሓይሊ ወይስ ብስም መን ኢኹም እዚ ዝገበርኩም፧” ኢሎም ሓተትዎም። 8 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ+ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝብን ዓበይትን፡ 9 ሎሚ ንሕና ብዛዕባ እቲ ንሓደ ስንኩል ሰብ እተገብረሉ ጽቡቕ ግብሪ ኻብ እንምርመር፡+ ንዕኡ መን ከም ዘሕወዮ ኸኣ ክትፈልጡ ኻብ ደለኹም፡ 10 ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፡+ ኣምላኽ ግና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ+ የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡+ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኵላትኩምን ኣብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። 11 ‘እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ኸም ገለ እኳ ዘይቈጸርኩምዎ እሞ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ዝዀነ እምኒ፡’ ንሱ እዩ።+ 12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም+ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ድሕነት ብኻልእ የልቦን።”+ 13 ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረኣዩ፡ ዘይተማህሩ* ተራ ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተገንዘቡ፡+ ገረሞም። ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።+ 14 እቲ ዝሓወየ ሰብ ምሳታቶም ደው ኢሉ ይርእይዎ ብምንባሮም፡+ ዚምልስዎ ኣይነበሮምን።+ 15 ስለዚ፡ ካብቲ ዋዕላ ኺወጹ ኣዘዝዎም እሞ፡ ንሓድሕዶም ከምዚ እናበሉ ተማኸሩ፦ 16 “ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል፡ ኣብ ኵሎም ነበርቲ የሩሳሌም እተጋህደት ፍልጥቲ ትእምርቲ ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡+ ነዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ንግበሮም፧+ 17 ኣብ ህዝቢ ኣዝዩ ምእንቲ ኸይውረ ግና፡ በዚ ስም እዚ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይዛረቡ ነፈራርሃዮም።”+ 18 ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም። 19 ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። 20 ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም መለሱሎም።+ 21 ንሳቶም ከኣ ዜቕጽዕ ምኽንያት ስለ ዝሰኣኑ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የሞግስዎ ብምንባሮም ስሊኦም+ ኢሎም፡ መሊሶም ኣፈራሪሆም ፈትሕዎም። 22 ከመይሲ፡ እቲ ተኣምር* ምሕዋይ እተገብረሉ ሰብ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ 40 ዓመት ነበረ። 23 ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን እንታይ ከም ዝበልዎም ነገርዎም። 24 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓደ ሰሚሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም ከምዚ በሉ፦ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ፣+ 25 ብመንፈስ ቅዱስ፡ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ጊልያኻ ኸምዚ ዝበልካ እውን ንስኻ ኢኻ፦+ ‘ስለምንታይ ኣህዛብ ተናዊጾም፡ ህዝብታትሲ ኸንቱ ሓሲቦም፧ 26 ንየሆዋን* ንቕቡኡን ኪጻረሩስ፡ ነገስታት ምድሪ ቘይሞም፡ ኣሕሉቕ ከኣ ብሓደ ተኣኪቦም።’+ 27 ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን+ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኖም፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ነቲ ዝቐባእካዮ ቕዱስ ጊልያኻ የሱስ ንምጽራር ተኣኪቦም እዮም፣+ 28 እዚ ድማ፡ እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኣቐዲሙ ዝመደቦ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።+ 29 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ፡* ናብ ምፍርራሆም ቈላሕታኻ ግበር፣ ንባሮትካ እውን ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ፍቐደሎም፣ 30 ንምሕዋይ ከኣ ኢድካ ዘርግሕ፣ ብስም እቲ ቕዱስ ጊልያኻ የሱስ+ እውን ትእምርትታትን ተኣምራትን ግበር።”+ 31 ምስ ተማህለሉ* ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ቦታ ተናወጸት፣ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፡+ ቃል ኣምላኽ እውን ብትብዓት ይዛረቡ ነበሩ።+ 32 ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ድማ ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን* ነበሩ፣ ሓደ እኳ ንገንዘቡ ናተይ ኣይብልን ነበረ፣ የግዳስ፡ ኵሉ ናይ ሓባር ነበረ።+ 33 ሃዋርያት ከኣ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ብዓብዪ ሓይሊ ይምስክሩ ነበሩ፣+ ኣብ ኵላቶም ድማ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። 34 ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን፣+ ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም መሬት ወይ ኣባይቲ ዝነበሮም፡ ንዕኡ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ፣ 35 ኣብ ኣእጋር ሃዋርያት ከኣ የንብርዎ ነበሩ።+ እዚ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዜድልዮ ይዕደል ነበረ።+ 36 እቲ ብሃዋርያት በርናባስ+ እተባህለ፡ (ማለት፡ “ወዲ ምጽንናዕ” ዝትርጉሙ) ዮሴፍ ዝስሙ ሌዋዊ ብዓል ቆጵሮስ ከኣ፡ 37 መሬቱ ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ፡ ኣብ ኣእጋር ሃዋርያት ኣንበሮ።+ 16 ኣብ ደርቤን ኣብ ልስጥራን+ ድማ በጽሐ። ጢሞቴዎስ+ ዝስሙ ወደ መዝሙር ከኣ፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ነበረ፣ ኣቦኡ ግና ግሪኻዊ ነበረ። 2 ንሱ ድማ በቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዝነበሩ ኣሕዋት ጽቡቕ እተመስከረሉ ነበረ። 3 ጳውሎስ ከኣ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኺወስዶ ደለየ፣ ኣቦኡ ግሪኻዊ ምዃኑ ዅላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲአን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ወሲዱ ገዘሮ።+ 4 ብኸተማታት ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ነቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ዝወሰንዎ ትእዛዛት ኪሕልዉ ይነግርዎም ነበሩ።+ 5 ሽዑ፡ እተን ጉባኤታት ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ። 6 ኣብ ኣውራጃ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተኸልከሉ፡ ብፍርግያን ብኣውራጃ ገላትያን ሓለፉ።+ 7 ናብ ሚስያ ምስ ወረዱ፡ ናብ ቢቲንያ+ ኪኸዱ ፈተኑ፣ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። 8 ንሚስያ ሓሊፎም* ድማ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ። 9 ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ፣ ሓደ ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ደው ኢሉ፡ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና” ኢሉ ይልምኖ ነበረ። 10 ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ከነበስሮም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደለና። 11 ሽዑ፡ ካብ ጥሮኣስ ብመርከብ ነቐልና፣ ትኽ ኢልና ድማ ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና፣ ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፣ 12 ካብኣ ድማ ናብታ ግዝኣት ሮሜን ኣውራ ኸተማ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያን ዝዀነት ፊልጲ+ ኸድና። ኣብታ ኸተማ እቲኣ፡ ገለ መዓልትታት ጸናሕና። 13 ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ወጺእና፡ ጸሎት ይግበሮ ኢልና ናብ ዝሓሰብናዮ ጥቓ ፈለግ ከድና፣ ኣብኡ ተቐሚጥና ድማ፡ ነተን እተኣከባ ኣንስቲ ተዛረብናየን። 14 ልድያ ዝስማ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራን+ ንኣምላኽ እተምልኽን ሰበይቲ፡ ሸያጢት ጁዅ፡ ትሰምዓና ነበረት፣ ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተቕልብ ከኣ፡ የሆዋ* ልባ ኸፈተላ። 15 ንሳን ቤተ ሰባን ምስ ተጠምቁ ድማ፡+ “ንየሆዋ* እምንቲ ኸም ዝዀንኩ ጌርኩም እንተ ርኢኹምኒ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ” ኢላ ለመነትና። ግዲ እውን በለትና። 16 ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ቦታ ኽንከይድ ከለና ድማ፡ መንፈስ ጥንቈላ+ ዝሓደራ ገረድ ኣጓነፈትና። ንሳ ንጐይተታ፡ ብጥንቈላኣ ብዙሕ ተርብሖም ነበረት። 17 ንሳ ኸኣ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም ባሮት እቲ ልዑል ኣምላኽ እዮም፣+ መገዲ ድሕነት ከኣ ይሰብኩልኩም ኣለዉ” ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዓበት። 18 ብዙሕ መዓልትታት ድማ ከምኡ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ሰልክይዎ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ “ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። በታ ሰዓት እቲኣ እውን ወጸ።+ 19 ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘቋረጸ ምስ ረኣዩ፡+ ንጳውሎስን ንሲላስን ሓዝዎም፣ ናብ ዕዳጋ፡ ናብ ኣሕሉቖም ከኣ ወጠጥዎም።+ 20 ናብቶም ኣመሓደርቲ ወሲዶም ድማ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም ንኸተማና የናዕብዋ ኣለዉ።+ ንሳቶም ኣይሁድ እዮም፣ 21 ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎ ወይ ክንገብሮ ዘይተፈቕደልና ልምድታት ከኣ ይሰብኩ ኣለዉ” በሉ። 22 እቶም ህዝቢ ድማ ተላዕልዎም፣ እቶም ኣመሓደርቲ ኸኣ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙ።+ 23 ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ድማ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም፣ ነቲ ሓላው እሱራት ከኣ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ።+ 24 እዚ ትእዛዝ እዚ ስለ እተቐበለ፡ ናብ ውሽጢ እታ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩ፡ ኣእጋሮም ኣብ ጕንዲ ኣጽኒዑ ኣሰሮም። 25 ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ምስ ኰነ ግና፡ ጳውሎስን ሲላስን ይጽልዩን ብመዝሙር ንኣምላኽ ይውድሱን ነበሩ፣+ እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26 ብሃንደበት ድማ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ እታ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ካብ መሰረታ ተናወጸት። ብቕጽበት ድማ ኵሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፣ ናይ ኵላቶም መቓውሕ እውን ተፈትሐ።+ 27 እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ እሞ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረኣየ፡ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፡ ሰይፉ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ።+ 28 ጳውሎስ ግና፡ “ኵላትና ኣብዚ ኣለና እሞ፡ ርእስኻ ኣይትጕዳእ!” ኢሉ ዓው ኢሉ ጨደረ። 29 ንሱ ድማ መብራህትታት ኪህብዎ ሓቲቱ፡ ጐይዩ ኣተወ፣ ራዕራዕ እናበለ እውን ኣብ ቅድሚ ጳውሎስን ሲላስን ተደፍአ። 30 ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ ኸኣ፡ “ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” በሎም። 31 ንሳቶም ከኣ፡ “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤተ ሰብካን ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ።+ 32 ንዕኡን ንዅሎም እቶም ኣብ ቤቱ ዝነበሩን ድማ ቃል የሆዋ* ነገርዎም። 33 በታ ሰዓት እቲኣ፡ ብለይቲ ወሲዱ ኣቝሳሎም ሓጸቦም፣ ንሱን ብዘለዉ ስድራ ቤቱን ከኣ ቀልጢፎም ተጠምቁ።+ 34 ናብ ቤቱ ኣእትዩ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፣ ብኣምላኽ ብምእማኑ እውን፡ ምስ ኵሎም ቤተ ሰቡ ባህ በሎ። 35 መዓልቲ ምስ ኰነ፡ እቶም ኣመሓደርቲ፡ “ነቶም ሰባት ፍትሓዮም” ኢሎም ገላዉ ለኣኹ። 36 እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ “እቶም ኣመሓደርቲ፡ ክትፍትሑ ልኢኾም ኣለዉ። ሕጂ ኸኣ ውጹ፡ ብሰላም እውን ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ቃሎም ነገሮ። 37 ጳውሎስ ግና፡ “ንሕና ሮማውያን+ ክነስና፡ ከይተፈርደና* ብግህዶ ገሪፎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደርብዮምናስ፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኼውጽኡና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ” በሎም። 38 እቶም ገላዉ ኸኣ፡ እዚ ቓል እዚ ነቶም ኣመሓደርቲ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ፡ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ።+ 39 መጺኦም ከኣ ለመንዎም፣ ምስ ኣውጽእዎም ድማ፡ ካብታ ኸተማ ኪኸዱ ለመንዎም። 40 ንሳቶም ግና ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኸዱ፣ ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኣይዎም ከኣ፡ ኣተባቢዖምዎም+ ካብኡ ኸዱ። 6 በተን መዓልትታት እቲአን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ እቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ፡ መበለታቶም ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ ሸለል ስለ እተባህላ፡ ኣብቶም እብራይስጢ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ ኣጕረምረሙ።+ 2 ሽዑ፡ እቶም ዓሰርተው ክልተ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዖም፡ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግና፡ ኣብ መኣዲ ምግቢ ኽንዕድል ግቡእ* ኣይኰነን።+ 3 ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ምእንቲ ኽንሸሞም፡+ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም+ ሸውዓተ ሰብኡት ድለዩ፣+ 4 ንሕና ግና ጸኒዕና ጸሎትን ኣገልግሎት እቲ ቓልን ክንገብር” በልዎም። 5 እዚ ዘረባ እዚ ንዅላቶም ባህ ኣበሎም፣ ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን+ ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ንኒቆላዎስ እቲ ጵሮሴሊት ብዓል ኣንጾክያን ሓረዩ። 6 ናብ ሃዋርያት ድማ ኣምጽእዎም፣ ንሳቶም ከኣ ጸልዮም፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም።+ 7 ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ እናዓበየ፡+ ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ፣+ ብዙሓት ካብ ካህናት እውን ነታ እምነት ተኣዘዙ።+ 8 እስጢፋኖስ ድማ ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ተኣምራትን ትእምርትታትን ይገብር ነበረ። 9 ገለ ኻብታ ምኵራብ ውጹኣት ሓራ እትብሃልን ካብ ቀሬናውያንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና፡ ንእስጢፋኖስ ኪከራኸርዎ ተንስኡ። 10 ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪረትዕዎ ኣይከኣሉን።+ 11 ሽዑ፡ “ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ” ዚብሉ ሰብኡት ብሕቡእ ሓበሉ። 12 ንህዝብን ንዓበይትን ንጸሓፍትን ከኣ ኣለዓዓልዎም፣ ብሃንደበት መጺኦም ድማ፡ መንዚዖም ናብቲ ዋዕላ ወሰድዎ። 13 ሓሰውቲ መሰኻኽር ከኣ ኣምጽኡ፣ ንሳቶም ድማ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ኣንጻር እዛ ቕድስቲ ቦታ እዚኣን ኣንጻር ሕግን ካብ ምዝራብ ኣይዓርፍን እዩ። 14 ንኣብነት፡ ‘የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ነዛ ቦታ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ልምዲ ኸኣ ኪልውጦ እዩ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ” በሉ። 15 ኵሎም እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ድማ ጠመትዎ እሞ፡ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም። 25 ፌስጦስ+ ናብታ ኣውራጃ ምስ መጸ እሞ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2 ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣውራታት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ከሰስዎ።+ 3 ንጳውሎስ ልኢኹ ናብ የሩሳሌም ኬምጽኣሎም፡ ንፌስጦስ ሞገስ ለመንዎ። ንሳቶም ግና ኣብ መገዲ ንጳውሎስ ኪቐትልዎ ኣድብዮምሉ ነበሩ።+ 4 ፌስጦስ ግና፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኺሕሎ ኸም ዘለዎ፡ ንሱ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ናብኣ ኸም ዚወርድ መለሰሎም። 5 “ስለዚ፡ ካባኻትኩም ስልጣን ዘለዎም ምሳይ ይውረዱ እሞ፡ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተ ኣልዩ ይኽሰስዎ” ድማ በሎም።+ 6 ምሳታቶም ካብ ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ዘይበዝሕ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ፣ ንጽብሒቱ እውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። 7 ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው ኢሎም፡ መርትዖ ኬቕርቡሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸሰስዎ።+ 8 ጳውሎስ ግና፡ “ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ኰነ ወይስ ንቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ ተማጐተ።+ 9 ፌስጦስ ከኣ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ደልዩስ+ ንጳውሎስ፡ “ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰሉ። 10 ጳውሎስ ግና፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ቄሳር ቈይመ ኣለኹ፣ ኣብኡ ኽፍረድ ከኣ እዩ ዚግብኣኒ። ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኸም ዘለኻ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን። 11 ክፉእ ገይረ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ እውን ገይረ እንተ ዀይነ፡+ ከይመውት ኣይልምንን እየ፣ እዚ ዚኸስሱኒ ነገር መሰረት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ግና፡ ንዓታቶም ኬፍቱ ኢሉ ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በለ።+ 12 ሽዑ፡ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛራሪቡ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 13 ገለ መዓልትታት ምስ ሓለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ብወግዒ ኺበጽሕዎ፡ ናብ ቂሳርያ መጹ። 14 ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ጸኒሖም ብምንባሮም ድማ፡ ፌስጦስ ከምዚ ኢሉ ንነገር ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ኣቕረቦ፦ “ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣሎ፣ 15 ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ከኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ኣይሁድን ብዛዕባኡ ነጊሮምኒ፣+ ክፈርዶ እውን ለሚኖምኒ። 16 ኣነ ግና ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ከየራኸብካዮን ብዛዕባ እቲ እተኸስሰሉ ኺማጐት ዕድል ከይሃብካዮን፡ ከተፍቱ ኢልካ ሓደ ሰብ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ መሊሰሎም።+ 17 ስለዚ፡ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከይደንጐኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዚዘ። 18 እቶም ከሰስቲ ምስ ቈሙ፡ ከምቲ ኣነ እተጸበኽዎ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየቕረቡሉን።+ 19 ብዛዕባ ኣምልኾኦምን*+ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስን ጥራይ እዩ ምስኡ ኽርክር ዘለዎም።+ 20 ነዚ ኽርክር እዚ ዝገብሮ ምስ ጨነቐኒ ኸኣ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ እሞ፡ ኣብኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኺፍረድ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሓቲተዮ።+ 21 ጳውሎስ ብግርማውነቶም* ክሳዕ ዚብየነሉ ኺሕሎ ይግባይ ምስ በለ ግና፡+ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰድዶ ኺሕሎ ኣዚዘ።” 22 ኣግሪጳ ድማ ንፌስጦስ፡ “ነዚ ሰብ እዝስ ኣነ እውን ክሰምዖ ምደለኹ” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ጽባሕ ክትሰምዖ ኢኻ” በሎ። 23 ንጽብሒቱ ድማ፡ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስ ኣሕሉቕ ሽሕን ምስ ምርኡያት እታ ኸተማን ኰይኖም ብብዙሕ ግሩም ትርኢት ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ፣ ፌስጦስ ምስ ኣዘዘ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ኣምጽእዎ። 24 ፌስጦስ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ኣብዚ ዘለኹም ኵላትኩም፡ ብዛዕባ እዚ እትርእይዎ ዘለኹም ሰብ፡ ደጊም ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ እናጨደሩ፡ ኵሎም ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌምን ኣብዝን ለሚኖምኒ።+ 25 ኣነ ግና ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ከቶ ኸም ዘይገበረ ተገንዚበ ኣለኹ።+ ባዕሉ ናብ ግርማውነቶም ይግባይ ምስ በለ ኸኣ፡ ክሰድዶ ወሲነ ኣለኹ። 26 ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ርግጽ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ፡ ንሱ ምስ ተመርመረ፡ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ኣብ ቅድሜኹም፡ ምናዳ ኸኣ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጺአዮ ኣለኹ። 27 ክሱ ኸይተሓበረ ንእሱር ምስዳድሲ፡ ዕሽነት ይመስለኒ።” 10 ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ኣብቲ ኢጣልያዊ ኣሃዱ* ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሓለቓ ሚእቲ ነበረ። 2 ንሱ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዝነበሮ፡ ምስ ኵሉ ቤተ ሰቡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኵሉ ሳዕ ከኣ ናብ ኣምላኽ ዚምህለል ነበረ። 3 ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት+ ናይ መዓልቲ* ኣቢሉ ድማ፡ መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ መጺኡ፡ “ቆርኔሌዎስ!” ኪብሎ ኸሎ፡ ብግህዶ ራእይ ረኣየ። 4 ንሱ ኸኣ ፈሪሁ ጠመቶ እሞ፡ “እንታይ እዩ ጐይታይ፧” በለ። ንሱ ድማ፡ “ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ።+ 5 ሕጂ ኸኣ ናብ ዮጴ* ሰባት ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ። 6 ንሱ ምስቲ ቤቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ስምኦን ዚብሃል ኣልፋዓይ፡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ። 7 እቲ እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ከደ፡ ብኡብኡ ኽልተ ኻብቶም ገላዉኡን ካብቶም ዜገልግልዎ ድማ ሓደ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዝነበሮ ወተሃደርን ጸዊዑ፡ 8 ኵሉ እቲ ዝዀነ ኣዘንትዩ፡ ናብ ዮጴ ለኣኾም። 9 ንጽብሒቱ፡ ንሳቶም ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ድማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ኣብ ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣቢሉ፡ ኪጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። 10 ሽዑ፡ ኣዝዩ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ። ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ፣+ 11 ሰማይ ተኸፊቱ ድማ፡ ከም ዓብዪ ዓለባ በፍታ ዝኣመሰለ ነገር* ብኣርባዕተ መኣዝኑ ተታሒዙ ናብ ምድሪ ኺወርድ ከሎ ረኣየ፣ 12 ኣብኡ ኸኣ ኵሎም ዓይነት ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታትን ለመምቲ ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ። 13 ሽዑ፡ “ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ!” ዚብል ድምጺ መጾ። 14 ጴጥሮስ ግና፡ “ጐይታይ፡ ርኹስን ዘይንጹህን ዘበለ ኸቶ በሊዐ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ” በለ።+ 15 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ካልኣይ ሳዕ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ” ዚብል ድምጺ መጾ። 16 እዚ ሳልሳይ ሳዕ ኰነ፣ ብኡብኡ ኸኣ ናብ ሰማይ ተወስደ።* 17 ጴጥሮስ፡ እቲ ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ደንጽይዎ ኸሎ፡ ሽዑሽዑ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን ኣበይ ምዃና ሓቲቶም፡ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ።+ 18 ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ እንተሎ ሓተቱ። 19 ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡+ “እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኡት ይደልዩኻ ኣለዉ። 20 ኣነ ስለ ዝለኣኽክዎም፡ ተንስእ እሞ ወሪድካ ኸይተጠራጠርካ ምሳታቶም ኪድ” በሎ። 21 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ናብቶም ሰብኡት ወሪዱ፡ “እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ኣነ እየ። ናብዚ ዘምጽኣኩም ምኽንያት እንታይ እዩ፧” በሎም። 22 ንሳቶም ከኣ፡ “ነቲ ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ብጽቡቕ እተመስከረሉን ቆርኔሌዎስ+ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ልኢኹ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካን ንስኻ እትብሎ ኺሰምዕን፡ ብቕዱስ መልኣኽ መለኮታዊ መምርሒ ተዋሂብዎ ኣሎ” በሉ። 23 ስለዚ፡ ኣእትዩ ኸም ኣጋይሹ ተቐበሎም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፣ ካብ ዮጴ ኸኣ ገለ ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ። 24 ንጽብሒቱ፡ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ናይ ቀረባ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። 25 ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፡ ኣብ ኣእጋሩ ፍግም ኢሉ እውን ሰገደሉ። 26 ጴጥሮስ ግና፡ “ተንስእ፣ ኣነ እውን ከማኻ ሰብ እየ” ኢሉ ኣተንስኦ።+ 27 ምስኡ እናተዛራረበ ኣትዩ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ረኸበ። 28 ንሱ ኸኣ፡ “ኣይሁዳዊ ምስ ካልእ ዝዓሌቱ ኺሕወስ ወይ ኪቐርብ ከም ዘይተፈቕደ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፣+ ግናኸ፡ ንሓደ ሰብ እኳ ርኹስ ወይ ዘይንጹህ ከይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ እዩ።+ 29 ስለዚ፡ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ሰገጥ ከይበልኩ እየ መጺአ። እምበኣር፡ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሓትተኩም ኣለኹ” በሎም። 30 ቆርኔሌዎስ ድማ ከምዚ በለ፦ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ከምዛ ሰዓት እዚኣ፡ ማለት ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ኣብ ቤተይ ኰይነ ኽጽሊ ኸለኹ፡ ሽዑሽዑ፡ ብሩህ ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ፡ 31 ‘ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ። 32 እምበኣር፡ ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሃል ስምኦን ጸውዓዮ። ንሱ ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ቤት ስምኦን እቲ ኣልፋዓይ፡ ጋሻ ዀይኑ ተቐሚጡ ኣሎ’ ኢሉኒ።+ 33 ስለዚ፡ ብኡብኡ ናባኻ ልኢኸ፣ ንስኻ ናብዚ ብምምጻእካ እውን ጽቡቕ ጌርካ። ሕጂ ኸኣ ኵሉ እቲ ኻብ የሆዋ* እተኣዘዝካዮ ኽንሰምዕሲ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እነና።” 34 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ ኸምዚ በለ፦ “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣+ 35 የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።+ 36 ንሱ በቲ ጐይታ ዅሉ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ፡+ ሰላም ኬበስሮም ናብ ደቂ እስራኤል ቃል ልኢኹ እዩ።+ 37 ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት፡ ካብ ገሊላ+ ጀሚሩ፡ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እተባህለ ነገር፡ 38 ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ንዕኡ ብመንፈስ ቅዱስን+ ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ+ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረን ንዅሎም እቶም ድያብሎስ ዝጨቈኖም እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ ኸም ዝዞረ+ ትፈልጡ ኢኹም። 39 ንሕና ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ፡ መሰኻኽር ኢና፣ ንዕኡ እውን ኣብ ጕንዲ* ሰቒሎም ቀቲሎምዎ። 40 ኣምላኽ ንዕኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንሲእዎ፣+ ኪገሃድ* ድማ ፈቒዱሉ፣ 41 ግናኸ፡ ንዓና ነቶም ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናን፡ ኣምላኽ እውን ኣቐዲሙ ዝሓረየና መሰኻኽር እምበር፡ ንዅሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን።+ 42 ንሱ ፈራድ ህያዋንን ምዉታትን ኪኸውን ኣምላኽ ከም ዝወሰነ ኸኣ፡+ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ኣጸቢቕና ኽንምስክርን ኣዚዙና።+ 43 ብእኡ ዚኣምን ኵሉ፡ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኺረክብ፡+ ኵሎም ነብያት ይምስክሩሉ እዮም።”+ 44 ጴጥሮስ ገና እዚ ቓል እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ኣብ ኵሎም እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዝነበሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።+ 45 እቶም ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ እተገዝሩ ኣመንቲ፡* ናጻ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣህዛብ እውን ስለ ዝፈሰሰ፡ ኣስተንከሩ። 46 ከመይሲ፡ ብቛንቋታት* ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬዕብይዎን ሰምዕዎም።+ ሽዑ፡ ጴጥሮስ፡ 47 “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧”+ ኢሉ መለሰ። 48 ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ።+ ድሕርዚ፡ ቍሩብ መዓልትታት ምሳታቶም ኪቕኒ ለመንዎ። 14 ኣብ ኢቆንዩም ድማ ብሓባር ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣትዮም ጽቡቕ ገይሮም ብምዝራቦም፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ። 2 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣህዛብ፡* ኣብቶም ኣሕዋት ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም።+ 3 ንሳቶም ከኣ ብስልጣን እቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን ብኣእዳዎም ኪግበር እናፈቐደ ንቓል ጸጋኡ ዝመስከረ የሆዋ* ብትብዓት እናተዛረቡ፡ ነዊሕ ግዜ ጸንሑ።+ 4 ህዝቢ እታ ኸተማ ግና ተመቕሉ፣ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ። 5 ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ ኣሕሉቖም ኰይኖም ኪገፍዕዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡+ 6 ንሳቶም እዚ ፈሊጦም ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ልስጥራን ደርቤን ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ገጠርን ሃደሙ።+ 7 ኣብኡ እውን የበስሩ ነበሩ። 8 ኣብ ልስጥራ ኸኣ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ብምንባሩ፡ ኣእጋሩ ዝሰንከለ ሰብኣይ ተቐሚጡ ነበረ። ተዛዊሩ እውን ኣይፈልጥን ነበረ። 9 ንሱ፡ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ፡ ይሰምዖ ነበረ። ጳውሎስ ድማ ኣተኲሩ ጠመቶ እሞ፡ ኪሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ርእዩ፡+ 10 ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ብኣእጋርካ ደው በል” በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ።+ 11 እቶም ህዝቢ፡ እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፡ “ኣማልኽቲ፡ ሰብ መሲሎም ናባና ወሪዶም!” ኢሎም ጨደሩ።+ 12 ንበርናባስ፡ ‘ድያ፡’* ንጳውሎስ ድማ ዘረባ ይመርሕ ስለ ዝነበረ፡ ‘ሄርሜስ’ ኪብልዎም ጀመሩ። 13 ካህን እቲ ኣብ መእተዊ እታ ኸተማ ቤተ መቕደስ ዝነበሮ ድያ* ኸኣ፡ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ኣፍ ደገታት ኣምጺኡ፡ ምስቶም ህዝቢ ዀይኑ ኺስውኣሎም ደለየ። 14 ጳውሎስን በርናባስን እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ናብቲ ህዝቢ ጐይዮም ከኣ ከምዚ ኢሎም ጨደሩ፦ 15 “ኣቱም ሰባት፡ ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧ ንሕና እውን ከማኻትኩም ዝድኻምና ሰባት ኢና።+ ካብዚ ኸንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኵሉ እቲ ኣባታቶም ዘሎን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና።+ 16 ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ንዅሎም ኣህዛብ ብመገዶም ኪኸዱ ሓዲግዎም ነይሩ፣+ 17 ግናኸ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን+ ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡+ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”+ 18 እዚ ኢሎም ክነሶም ግና፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብኽንደይ ገድሊ ኸልከልዎም። 19 ግናኸ፡ ኣይሁድ ካብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን መጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ ሓቢሎም+ ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ፣ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጐተትዎ።+ 20 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ከበብዎ ግና፡ ተንሲኡ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ድማ፡ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ።+ 21 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ምስ ኣበሰሩን ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩን ከኣ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ። 22 ኣብአን ድማ ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑን “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ” እናበሉን+ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ* ኣበራትዑ።+ 23 ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም ከኣ፡+ ብጸሎትን ብጾምን+ ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ የሆዋ* ኣማዕቈብዎም። 24 ብጲሲድያ ሓሊፎም ከኣ ናብ ጰምፊልያ መጹ።+ 25 ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ሰበኹ፡ ናብ ኣጣልያ ኸዱ። 26 ካብኣ ድማ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ንጸጋ ኣምላኽ እተማዕቈቡላ ኣንጾክያ ብመርከብ ከዱ።+ 27 ኣብኣ ምስ በጽሑ፡ ነታ ጉባኤ ኣኪቦም፡ እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉን ንኣህዛብ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ኣዘንተዉሎም።+ 28 ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ነዊሕ እዋን ጸንሑ። 9 ሳውል ግና ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ እናጠለቐሎምን ከም ዚቐትሎም እናፈከረን+ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ፡ 2 በታ መገዲ እቲኣ ዝረኸቦም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኣሲሩ ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽእ፡ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዚርከባ ምኵራባት ዚበጽሓ ደብዳበታት ካብኡ ለመነ።+ 3 ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ በርሀ፣+ 4 ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ወደቐ፣ “ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዐ። 5 ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ+ የሱስ እየ።+ 6 ግናኸ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፣ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እውን ኪንገረካ እዩ” በሎ። 7 እቶም ምስኡ ዚጕዓዙ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ደሃይ እናሰምዑ ኽነሶም፡ ሓደ እኳ ኸይረኣዩ፡ ተዓኒዶም ደው በሉ።+ 8 ሳውል ግና ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እኳ እንተ ኣበለ፡ ኪርኢ ኣይከኣለን። ብኢዱ መሪሖም ከኣ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። 9 ከይረኣየን ከይበልዐን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።+ 10 ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ+ ዝስሙ ወደ መዝሙር ነበረ፣ ጐይታ ድማ ንዕኡ ብራእይ፡ “ሃናንያ!” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ፡ ጐይታይ” በለ። 11 ጐይታ ድማ፡ “ተንስእ እሞ ናብታ ቕንዕቲ እትብሃል ጐደና ኺድ፣ ንሓደ ሳውል ዝስሙ ብዓል ጠርሴስ+ ከኣ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ። እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ፣ 12 ንሱ እውን ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ መጺኡ፡ ምእንቲ ኺርኢ፡ ኣእዳዉ ኸም ዜንብረሉ፡ ብራእይ ርእዩ ኣሎ” በሎ።+ 13 ሃናንያ ግና፡ “ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንቕዱሳትካ ኣብ የሩሳሌም ክንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ። 14 ኣብዚ ድማ ንዅሎም እቶም ስምካ ዚጽውዑ ኺኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ” ኢሉ መለሰ።+ 15 ጐይታ ግና፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን+ ነገስታትን+ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንዓይ ሕሩይ ኣቕሓ ስለ ዝዀነ፡+ ኪድ ደኣ። 16 ምእንቲ ስመይ ክንደይ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦስ ብግልጺ ኸርእዮ እየ” በሎ።+ 17 ሽዑ፡ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብታ ቤት ኣተወ፣ ኣእዳዉ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ “ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከለኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ምእንቲ ኽትርእን ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽትምላእን፡ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።+ 18 ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ። ተንሲኡ እውን ተጠምቀ፣ 19 ምግቢ ምስ በልዐ ድማ፡ በርትዐ። ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገለ መዓልትታት ጸንሐ፣+ 20 ብኡብኡ ድማ፡ ኣብ ምኵራባት ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ። 21 ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ግና ተደመሙ እሞ፡ “እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስም እዚ ዚጽውዑ ዘጥፍኦም እዚ ደይኰነን፧+ ኣሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ኢሉ ደይኰነን ናብዚ ዝመጸ፧” ይብሉ ነበሩ።+ 22 ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፣ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ኣረድኦም።+ 23 ብዙሕ መዓልትታት ምስ ሓለፈ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ።+ 24 ሳውል ግና ውዲቶም ፈለጠ። ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ኪቐትልዎ፡ መዓልትን ለይትን ነቲ ኣፍ ደገታት ይሕልውዎ ነበሩ። 25 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ በቲ ኣብቲ መካበብያ ዘሎ መስኰት ኣውረድዎ።+ 26 ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ ኸኣ፡+ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፣ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኵላቶም ፈርህዎ። 27 ሽዑ፡ በርናባስ+ ረድኦ፡ ናብ ሃዋርያት እውን ወሰዶ፣ ንሱ ድማ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም እተራእዮን+ ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ኸኣ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም እተዛረበ ኣዘንተወሎም።+ 28 ብስም ጐይታ ተቢዑ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ኣብ የሩሳሌም ብናጻ ይንቀሳቐስ* ነበረ። 29 ምስቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ። ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ይፈታትኑ ነበሩ።+ 30 እቶም ኣሕዋት እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፡ ናብ ጠርሴስ እውን ሰደድዎ።+ 31 ሽዑ፡ እታ ኣብ ብዘላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ጉባኤ+ ሰላም ረኺባ ተሃንጸት፣ ብፍርሃት የሆዋን* ብምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስን ክትመላለስ ከላ ኸኣ፡+ እናበዝሐት ከደት። 32 ጴጥሮስ ብዅሉ እቲ ዞባ ኺዘውር ከሎ ድማ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቕዱሳት እውን ወረደ።+ 33 ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ዓራቱ ዝደቀሰ ልሙስ ረኸበ። 34 ጴጥሮስ ድማ፡ “ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ።+ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣንጽፍ” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ ብኡብኡ ተንስአ። 35 ኵሎም እቶም ኣብ ልዳን ኣብ ጐልጐል ሳሮንን ዚነብሩ ዝነበሩ ንዕኡ ምስ ረኣይዎ፡ ናብ ጐይታ ተመልሱ። 36 ኣብ ዮጴ* ኸኣ ጣቢታ ዝስማ ጓለ መዝሙር ነበረት፣ ትርጉም ስማ ድማ “ዶርቃስ”* ማለት እዩ። ንሳ ኸኣ ብብዝሒ ሰናይ ግብሪ ትገብርን ምጽዋት ትምጽውትን ነበረት። 37 በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡ ሓሚማ ሞተት። ሓጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ። 38 ልዳ ጥቓ ዮጴ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ጴጥሮስ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ “ከይደንጐኻ ግዳ ምጸና” ኢሎም ምእንቲ ኺልምንዎ ኽልተ ሰብኡት ለኣኹሉ። 39 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ናብቲ ደርቢ ኣደየብዎ፣ ኵለን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያን ዶርቃስ ምሳታተን ከላ ዝሰፈየቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦን ኣብ ቅድሚኡ ቐረባ። 40 ጴጥሮስ ግና ንዅላቶም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡+ ተምበርኪኹ ጸለየ፣ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ “ጣቢታ፡ ተንስኢ!” በለ። ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፣ ንጴጥሮስ ምስ ረኣየቶ እውን፡ ኮፍ በለት።+ 41 ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፣ ነቶም ቅዱሳትን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ገይሩ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረባ።+ 42 እዚ ኣብ ብዘላ ዮጴ ተፈልጠ፣ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ።+ 43 ንሱ ድማ ንሓያሎ መዓልትታት ምስ ስምኦን ዚብሃል ኣልፋዓይ፡ ኣብ ዮጴ ቐነየ።+ 27 ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ስለ እተወሰነ፡+ ንጳውሎስን ንገለ ኻብቶም ካልኦት እሱራትን ኣሕሊፎም ነቲ ዩልዮስ ዝስሙ ኻብ ኣሃዱ ኣውጉስጦስ ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ ሃብዎም። 2 ካብ ኣድራሚትስ ብገምገመ ገምገም ኣውራጃ እስያ ኣብ እትኸይድ መርከብ ደዪብና ነቐልና፣ እቲ ኻብ ተሰሎንቄ ዝዀነ ኣርስጠርኮስ+ ብዓል መቄዶንያ ምሳና ነበረ። 3 ንጽብሒቱ፡ ኣብ ሲዶን በጻሕና፣ ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ርሕራሐ* ገበረሉ፡ ናብ ፈተውቱ ኪኸይድን ክንክኖም ኪረክብን ድማ ፈቐደሉ። 4 ካብኣ ነቒልና ድማ ንፋስ ኣንጻርና ስለ ዝነበረ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ተኸዊልና ተጕዓዝና። 5 ብጥቓ ቂልቅያን ጰምፊልያን ኣቢልና ኸኣ ብማእከል ባሕሪ ተጕዓዝና፣ ኣብታ ኣብ ሉቅያ እትርከብ ሚራ ድማ በጻሕና። 6 ኣብኣ ኸኣ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ካብ እስክንድርያ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ ረኸበ፣ ናብኣ እውን ኣደየበና። 7 ድሕርዚ፡ ብዙሕ መዓልትታት ገፈፍ እናበልና ምስ ተጕዓዝና፡ ብጭንቂ ናብ ክኒዶስ መጻእና። ጕዕዞና ኸይንቕጽል ንፋስ ምስ ከልከለና፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ተኸዊልና ብሰልሞና ሓለፍና። 8 ብጭንቂ ብጸግዒ ጸግዓ ተጓዒዝና፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ ጽቡቕ ወደብ እትብሃል ቦታ መጻእና። 9 ብዙሕ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ጾም መዓልቲ ዕርቂ+ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ብመርከብ ዚግበር ጕዕዞ ሓደገኛ ብምንባሩ፡ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም፦ 10 “ኣቱም ሰባት፡ እዚ ጕዕዞ እዚ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህይወትና* እውን ጕድኣትን ብዙሕ ጥፍኣትን ከም ዜምጽእ ይርኣየኒ ኣሎ።” 11 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋና መርከብን ሰምዐ። 12 እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕም ስለ ዝነበረ ድማ፡ ካብኡ ኺነቕሉ እሞ፡ እንተ ኽኢሎም ናብቲ ኣብ ቅሬጥስ ዚርከብ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ገጹ ዝገበረ ወደብ ፊኒቅስ ኣትዮም ኣብኡ ኪኸርሙ፡ መብዛሕትኦም መኸሩ። 13 ንፋስ ደቡብ ብህድኣት ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎም፡ መልህቕ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሓለፉ። 14 ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ኤውሮኪሎን* ዚብሃል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተሃንዲዱ መጸ። 15 ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ናብ ዝወሰዳ ትኺድ ሓደግናያ። 16 ብትሕቲ ኸውሊ ካውዳ እትብሃል ንእሽቶ ደሴት እኳ እንተ ሓለፍና፡ ነታ ብሸነኽ ድሕሪት መርከብ ዝነበረት ጃልባ ግና ብተጋድሎ ኢና ኣድሒንናያ። 17 ምስ ኣደየብዋ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩላ፣ መሰረት እታ መርከብ ኣብ ሲርጢስ* ባይታ ኸይትንክፍ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ኣግማድ ፈቲሖም ነቲ ጋንጽላ ምስ ጠቕለሉ፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሓደግዋ። 18 በቲ ማዕበል ናብዝን ናብትን ንድፋእ ስለ ዝነበርና፡ ንጽብሒቱ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ፣ 19 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ናውቲ እታ መርከብ ብኣእዳዎም ደርበይዎ። 20 ንሓያሎ መዓልትታት ጸሓይ ኰነ ወይስ ከዋኽብቲ ኸይተራእየ ምስ ጸንሐ እሞ፡ እቲ ማዕበል እውን እናበርትዓና ምስ ከደ፡ ኵሉ ተስፋ ድሕነትና በነነ። 21 ብዘይ ምግቢ ብዙሕ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፡ ምኽረይ ሰሚዕኩም ካብ ቅሬጥስ እንተ ዘይትነቕሉስ፡ እዚ ጕድኣትን ጥፍኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ።+ 22 ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ* እሞ፡ ክትቀስኑ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 23 በዛ ለይቲ እዚኣ፡ መልኣኽ+ እቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን* ኣምላኽ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ 24 ‘ጳውሎስ፡ ኣይትፍራህ። ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኣሎካ፣+ እንሆ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምሳኻ ዚጕዓዙ፡ ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ’ ኢሉኒ እዩ። 25 ስለዚ፡ ኣቱም ሰባት፡ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ኣጆኹም። 26 ግናኸ፡ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና።”+ 27 ኣብ መበል 14 ለይቲ፡ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ናብዝን ናብትን ክንድፋእ ከለና፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ እቶም ባሕረኛታት ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። 28 መለክዒ ገይሮም ምስ ኣቘሩ ድማ፡ 20 ብቝመት ሰብ* ረኸቡ፣ ካብኡ ቝሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ከም ብሓድሽ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ፡ 15 ብቝመት ሰብ* ረኸቡ። 29 ምስ ኣኻውሕ ከይንጋጮ ስለ ዝፈርሁ፡ ብሸነኽ ድሕሪት እታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቕ ኣውረዱ፣ መዓልቲ ኪኸውን ከኣ ተመነዩ። 30 እቶም ባሕረኛታት ካብታ መርከብ ኪሃድሙ ደልዮም፡ ብሸነኽ ቅድሚት መልህቕ ዜውርዱ መሲሎም ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኼውርዱ ኸለዉ፡ 31 ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወተሃደራትን፡ “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸኒሖም፡ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።+ 32 ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት ኣግማድ እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሓደግዋ። 33 ኪወግሕ ምስ በለ፡ ጳውሎስ ንዅላቶም ከምዚ ኢሉ ኣተባብዖም፦ “እንታይ ከም ዚኸውን ብጭንቀት እናተጸበኹም ገለ ኸይጠዓምኩም ብዘይ ምግቢ፡ ሎሚ መበል 14 መዓልትኹም እዩ። 34 እምበኣር፡ እዚ ንድሕነትኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጕሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ምግቢ ኽትበልዑ አተባብዓኩም ኣለኹ።” 35 እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንኣምላኽ ኣመስገነ እሞ፡ ቈሪሱ ኺበልዕ ጀመረ። 36 ኵላቶም ድማ ቀሰኑ እሞ በልዑ። 37 ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዅላትና ኸኣ፡ 276 ሰባት* ኢና። 38 በሊዖም ምስ ጸገቡ ድማ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ።+ 39 መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ እኳ እንተ ዘየለለይዎ፡+ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ኽኢሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኼብጽሕዋ ቘረጹ። 40 ነቲ መልህቕ በቲኾም ድማ፡ ናብ ባሕሪ ኺወድቕ ሓደግዎ፣ ምስናይዚ እውን መእሰር እቲ መእለይታት መርከብ ፈቲሖም፡ ነቲ ጋንጽላ ቕድሚት ንንፋስ ገቲሮም፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። 41 ብኽልቲኡ ሸነኹ ብባሕሪ ምስ እተዀመረ ድበት ምስ ተላግዑ፡ መሰረት እታ መርከብ ባይታ ተንከየ፡ ብሸነኽ ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ፡ ዘይትንቕነቕ ኰነት፣ ብሸነኽ ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰባበረት።+ 42 ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሓምቢሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ኪቐትልዎም ወሰኑ። 43 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ኬድሕኖ ደልዩ፡ ሓሳቦም ከይፍጽሙ ኸልከሎም። ነቶም ሓምቢሶም ዚኽእሉ ድማ፡ ዘሊሎም ናብ ባሕሪ ኣትዮም ቅድም ናብ ምድሪ ኺወጹ ኣዘዘ፣ 44 እቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኣቶም ብሉሕ፡ ገሊኣቶም እውን ብስባር እታ መርከብ ኪወጹ ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ፡ ኵላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።+ 13 ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ ኸኣ፡ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፣+ ንሳቶም ድማ በርናባስን እቲ ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቀሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ እቲ ገዛኢ ኣውራጃ እተማህረ ማናይንን ሳውልን ነበሩ። 2 ንየሆዋ* ኼገልግልዎን* ኪጾሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ “ንበርናባስን ንሳውልን፡+ ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ” በሎም።+ 3 ሽዑ፡ ምስ ጾሙን ምስ ጸለዩን፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም። 4 ስለዚ፡ እዚኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተላኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፣ ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5 ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ድማ፡ ኣብ ምኵራባት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ሰበኹ። ዮሃንስ ከኣ የገልግሎም* ነበረ።+ 6 ብመንጎ ዅላ እታ ደሴት ሓሊፎም ክሳዕ ጳፎስ ምስ ከዱ፡ ሓደ ኣስማተኛን ናይ ሓሶት ነብይን ዝዀነ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። 7 ንሱ ምስቲ ምስለኔ* ዝዀነ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዚብሃል ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ተሃንጥዩ፡ ንበርናባስን ንሳውልን ጸውዖም። 8 ኤልማስ እቲ ኣስማተኛ ግና፡ (ስሙ እውን ከምኡ እዩ ዚትርጐም፡) ነቲ ምስለኔ ኸይኣምን ኪመልሶ ደልዩ፡ ተጻረሮም። 9 እቲ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ኣተኲሩ ጠመቶ እሞ፡ 10 “ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡+ ኣታ ጸላእ ኵሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገድታት የሆዋ* ኻብ ምጥዋይሲ ኣይትዓርፍን ዲኻ፧ 11 እንሃ፡ ኢድ የሆዋ* ኣብ ልዕሌኻ እያ፣ ክትዓውር፡ ንግዜኡ እውን ብርሃን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ” በሎ። ብቕጽበት ድማ፡ ብርቱዕ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፣ ብኢዱ ዚመርሖ ደልዩ ኸኣ ናብዝን ናብትን ተመላለሰ። 12 ሽዑ፡ እቲ ምስለኔ፡ እቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብትምህርቲ የሆዋ* ተገሪሙ ኣመነ። 13 ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ናብ ጴርጌ ናይ ጰምፊልያ በጽሑ። ዮሃንስ+ ግና ሓዲግዎም ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።+ 14 ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሓሊፎም ናብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ምኵራብ ኣትዮም+ ከኣ ተቐመጡ። 15 ሕግን ነብያትን ምስ ተነብበ፡+ እቶም መራሕቲ ምኵራብ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንህዝቢ ዚንገር ገለ ዜተባብዕ ቃል እንተ ኣልዩኩም፡ ንገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም። 16 ሽዑ፡ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ ኸምዚ በለ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ። 17 ኣምላኽ እዚ ህዝቢ እስራኤል እዚ ንኣቦታትና ሓረዮም፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓና ዀይኑ ኺነብር ከሎ፡ ልዕል ኣበሎ፣ በታ ልዕልቲ ቕልጽሙ ኸኣ ካብኣ ኣውጽኦም።+ 18 ንኣስታት 40 ዓመት ድማ ኣብ በረኻ ተዓገሶም።+ 19 ኣብ ምድሪ ከነኣን ሸውዓተ ኣህዛብ ምስ ኣጥፍአ፡ ምድሮም ርስቲ ገይሩ መደበሎም።+ 20 እዚ ዅሉ ብኣስታት 450 ዓመት ኰነ። “ድሕርዚ ኸኣ፡ ክሳዕ ሳሙኤል እቲ ነብዪ፡ መሳፍንቲ* ሃቦም።+ 21 ድሕሪኡ ግና፡ ንጉስ ለመኑ፣+ ኣምላኽ ከኣ ንሳኦል ወዲ ቂስ፡ ነቲ ኻብ ነገድ ብንያም ዝዀነ ሰብኣይ፡ ን40 ዓመት ሃቦም።+ 22 ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን ኣተንስኣሎም፣+ ብዛዕባኡ ኸኣ፡ ‘ዳዊት ወዲ እሴይ፡ ከም ልበይ ዝዀነ+ ሰብኣይ ረኺበ፣+ ንሱ ዅሉ እቲ ዝምነዮ ኺገብር እዩ’ ኢሉ መስከረ። 23 ካብ ዘርኡ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ንእስራኤል መድሓኒ ኣተንስአ፣ ንሱ ኸኣ የሱስ እዩ።+ 24 ቅድሚ ምምጻኡ እውን፡ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰቢኹ እዩ።+ 25 ዮሃንስ ጕያኡ ኺፍጽም ከሎ ግና፡ ‘ኣነ መን ዝዀንኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ግና፡ እቲ ኣነ ኣሳእን ኣእጋሩ ምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፡ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ’ ይብል ነይሩ።+ 26 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣቱም ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ድሕነት እዚ ናባና እዩ ተላኢኹ።+ 27 ነበርቲ የሩሳሌምን ኣሕሉቖምንሲ ንዕኡ ኣይፈለጥዎን፣ ኪፈርድዎ ኸለዉ ግና፡ ነቲ ሰንበት ሰንበት ዓው ኢሎም ዜንብብዎ ቓል ነብያት ፈጺሞምዎ እዮም።+ 28 ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እኳ እንተ ሰኣኑሉ፡+ ምእንቲ ኪቕተል፡ ንጲላጦስ ለሚኖምዎ እዮም።+ 29 እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ጕንዲ* ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣንቢሮምዎ።+ 30 ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ፣+ 31 ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ መሰኻኽሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ተራእይዎም።+ 32 “ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣቦታትና እተተስፈወ ተስፋ ነበስረኩም ኣለና። 33 ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ’ ዚብል እተጻሕፈ፡+ ኣምላኽ ንየሱስ ብምትንሳእ፡ ንዓና ንደቆም ምሉእ ብምሉእ ፈጺሙልና ኣሎ።+ 34 ብዛዕባ ኻብ ምዉታት ከም ዘተንስኦን ደጊም ናብ ጥፍኣት ከም ዘይምለስን ድማ፡ ‘እቲ እሙን ዝዀነ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ብተኣማንነት ዘርኣኽዎ ፍቕሪ ኽህበኩም እየ’ ኢሉ እዩ።+ 35 ስለዚ፡ ኣብ ካልእ መዝሙር እውን፡ ‘እሙንካ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ’ ኢሉ እዩ።+ 36 ዳዊት እኳ ኣብ ወለዶኡ ንኣምላኽ ምስ ኣገልገለ፡* ሞይቱን* ምስ ኣቦታቱ ተነቢሩን ጥፍኣት ርእዩን እዩ።+ 37 እቲ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና ጥፍኣት ኣይረኣየን።+ 38 “እምበኣር፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይስበኸልኩም ከም ዘሎ፡ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፣+ 39 ካብ ኵሉ እቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣልኩም ድማ፡+ ዚኣምን ዘበለ ብእኡ ይጸድቕ እዩ።+ 40 ስለዚ፡ እቲ ኣብ ነብያት ከምዚ እተባህለ ኸይበጽሓኩም ተጠንቀቑ፦ 41 ‘ኣቱም ነዓቕቲ፡ እንተ ኣዘንተዉልኩም እኳ ኸቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ፡ ብመዓልትታትኩም እገብር ኣለኹ እሞ፡ ርኣዩን ተገረሙን ጥፍኡን።’”+ 42 ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበት እውን እዚ ነገር እዚ ኺነግርዎም ለመንዎም። 43 እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ድማ፡ ብዙሓት ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ ጵሮሴሊታትን ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም፣ ንሳቶም ኪዛረብዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኪጸንዑ ይምሕጸንዎም ነበሩ።+ 44 በታ እትቕጽል ሰንበት፡ ዳርጋ ዅላ እታ ኸተማ ቓል የሆዋ* ኽትሰምዕ ተኣከበት። 45 ኣይሁድ ነቲ ህዝቢ ምስ ረኣዩ፡ ብቕንኢ ተመሊኦም፡ ነቲ ጳውሎስ ዚዛረቦ ዝነበረ ቓል እናተጻረፉ ተቓወምዎ።+ 46 ሽዑ፡ ጳውሎስን በርናባስን ብትብዓት፡ “ቃል ኣምላኽ ቅድም ንዓኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ።+ ካብ ደፋእኩምዎን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ባዕላትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣለና።+ 47 የሆዋስ፡* ‘ክሳብ ወሰናት ምድሪ ንድሕነት ምእንቲ ኽትከውን፡ ብርሃን ኣህዛብ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ” በልዎም።+ 48 ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሓጐሱ፡ ንቓል የሆዋ* እውን ኣሞገሱ፣ ኵሎም እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ ድማ ኣመኑ። 49 ቃል የሆዋ* ኸኣ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሐ። 50 ኣይሁድ ግና ነተን ንኣምላኽ ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ኣውራታት እታ ኸተማን ኣናዒቦም፡ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን መስጐጕቲ ኣለዓዓሉ፡+ ካብ ወሰኖም እውን ሰጐጕዎም። 51 ንሳቶም ድማ ደሮና ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፡ ናብ ኢቆንዩም ከዱ።+ 52 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብሓጐስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።+ 5 ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ሰጲራ መሬቱ ሸጠ። 2 ሰበይቱ እናፈለጠት ከኣ፡ ካብቲ ዋጋ መቒሉ ብሕቡእ ኣትረፈ፣ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ኣእጋር ሃዋርያት ኣንበሮ።+ 3 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ+ ክትሕሱን+ ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ብሕቡእ ከተትርፍንሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ኣደፋፊሩካ፧ 4 ምሳኻ ኸሎስ፡ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሰኻን” በሎ። 5 ሃናንያ እዚ ቓል እዚ ምስ ሰምዐ፡ ወደቐ እሞ ሞተ። ኵሎም እቶም እዚ ዝሰምዑ ድማ ኣዝዮም ፈርሁ። 6 ኣጕባዝ ከኣ ተንሲኦም ገነዝዎ፣ ተሰኪሞም ኣውጺኦም እውን ቀበርዎ። 7 ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ድማ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ መጸት። 8 ጴጥሮስ ከኣ፡ “እስከ ንገርኒ፡ ንመሬትኩም ብኽንድዚ ዲኹም ሼጥኩምዎ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እወ፡ ብኽንድኡ እዩ” በለት። 9 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ስለምንታይከ ንመንፈስ የሆዋ* ኽትፍትኑ እተሰማማዕኩም፧ እንሆ፡ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ ኣብ ኣፍ ደገ ኣለዋ፣ ንዓኺ እውን ተሰኪሞም ኬውጽኡኺ እዮም” በላ። 10 ብቕጽበት ኣብ ኣእጋሩ ወደቐት እሞ ሞተት። እቶም ኣጕባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ረኸብዋ፣ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። 11 ኣብ ምልእቲ እታ ጉባኤን ኣብ ኵሎም እቶም ነዚ ዝሰምዑን ከኣ ዓብዪ ፍርሃት ኰነ። 12 ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ድማ ብኢድ ሃዋርያት ብዙሕ ትእምርትታትን ተኣምራትን ይግበር ነበረ፣+ ኵላቶም ድማ ብሓባር ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ።+ 13 ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፣ እቲ ህዝቢ ግና የሞግሶም ነበረ። 14 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብጐይታ ዚኣምኑ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ይውሰኽዎም ነበሩ።+ 15 ጴጥሮስ ኪሓልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ናብ ጐደናታት ኣውጺኦም ኣብኡ ኣብ ዓራውትን ኣብ ምንጻፋትን የደቅስዎም ነበሩ።+ 16 ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዝነበራ ኸተማታት ከኣ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ጾይሮም ይመጹ ነበሩ፣ ኵላቶም እውን ይሓውዩ ነበሩ። 17 ግናኸ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ወገን ሰዱቃውያን ተንስአ፣ ብቕንኢ ተመሊኦም ድማ ነበሩ። 18 ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሓዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢ እውን ኣእተውዎም።+ 19 ብለይቲ ግና፡ መልኣኽ የሆዋ* ንመዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ+ ንወጻኢ ኣውጽኦም እሞ፡ 20 “ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም ከኣ፡ ኵሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ” በሎም። 21 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሑ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ኻህናትን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ መጹ፡ ነቲ ዋዕላን ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ኪእከቡ ጸውዑ፣ ንሃዋርያት ናብ ቅድሚኦም ኬምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ። 22 እቶም ገላዉ ናብኡ ምስ ከዱ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን። ተመሊሶም ከኣ፡ 23 “እቲ ቤት ማእሰርቲ ብጽኑዕ ተሸጒሩ፡ ሓለውቲ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ረኺብናዮም፣ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን” ኢሎም ነገርዎም። 24 እቲ ሓለቓ ቤተ መቕደስን እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ነዚ ቓል እዚ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ነገር እዚ እንታይ ከም ዚኸውን ደንጸዎም። 25 ሓደ መጺኡ ግና፡ “እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰብኡት፡ እነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮም። 26 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ምስ ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፣ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ኣየጋፍዕዎምን።+ 27 ኣምጺኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ሓተቶም፡ 28 “በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩ ብጽኑዕ ኣዚዝናኩም ኔርና፣+ እንሆ ግና፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ፣ ደም እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ቘሪጽኩም ኣለኹም” ድማ በሎም።+ 29 ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ከኣ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ* ዚግባእ።+ 30 ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ጕንዲ* ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ ኣተንሲእዎ እዩ።+ 31 ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ፡+ ኣምላኽ ንዕኡ ቐንዲ ወኪልን+ መድሓንን+ ገይሩ ናብ የማኑ+ ልዕል ኣቢልዎ እዩ። 32 ንሕና ድማ ነዚ ነገር እዚ መሰኻኽር ኢና፣+ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ* ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስ እውን ከምኡ”+ ኢሎም መለሱ። 33 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ነደሩ፡ ኪቐትልዎም ከኣ ደለዩ። 34 ግናኸ፡ ሓደ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡+ ብዅሉ እቲ ህዝቢ ዚኽበር መምህር ሕጊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ነቶም ሰባት ሓንሳእ ኣብ ወጻኢ ኼጽንሕዎም ኣዘዘ። 35 ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኦም ክትገብርዎ እትሓስቡ ዘለኹም ነገር ተጠንቀቑሉ። 36 ንኣብነት፡ ቅድሚ እዘን መዓልትታት እዚአን፡ ቴዎዳስ፡ ‘ኣነ ዓብዪ እየ’ ኢሉ ተንሲኡ ነይሩ፣ 400 ዚኣኽሉ ሰብኡት ከኣ ሓቢሮምዎ። ግናኸ፡ ንሱ ተቐቲሉ፡ ኵሎም እቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸኣ ተበቲኖም፡ ከም ዘይነበሩ እውን ኰይኖም። 37 ድሕሪኡ፡ ይሁዳ እቲ ገሊላዊ፡ በተን መዓልትታት ምዝገባ ተንሲኡ ነይሩ፣ ሰዓብቲ ድማ ገይሩ። ንሱ እውን ጠፊኡ፡ ኵሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዝነበሩ ኸኣ ፋሕ ኢሎም። 38 ሕጂ ድማ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣይትተንክይዎም፡ ሕደግዎም። እዚ ውጥን እዚ ወይ እዚ ግብሪ እዚ ኻብ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ኪፈርስ እዩ፣ 39 ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም።+ እንተ ዘይኰነስ፡ ምናልባት ምስ ኣምላኽ እትብኣሱ ዄንኩም ክትርከቡ ኢኹም።”+ 40 ሽዑ፡ ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፣ ንሃዋርያት ጸዊዖም ከኣ ገረፍዎም፣+ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ድማ ሓደግዎም። 41 ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ።+ 42 ኵሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን+ ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ከየቋረጹ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።+ 21 ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ነቐልና ድማ፡ ትኽ ኢልና ናብ ቆስ መጻእና፣ ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ሮዶስ፡ ካብኣ እውን ናብ ጳጥራ ኣቶና። 2 ናብ ፊንቄ እትሰግር መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ኣብኣ ደየብና እሞ ኸድና። 3 ንደሴት ቆጵሮስ ምስ ረኣናያ፡ ብጸጋምና* ንድሕሪት ሓዲግናያ ናብ ሶርያ ገጽና ኸድና፣ እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዚራገፍ ጽዕነት ነበራ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና። 4 ደቀ መዛሙርቲ ደሊና ምስ ረኸብና፡ ኣብኣ ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና። ንሳቶም ግና ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይከይድ ደጋጊሞም ነገርዎ።+ 5 ኣብኣ ዝቐነናለን መዓልትታት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ካብኣ ወጺእና ኽንጕዓዝ ተበገስና፣ ኵላቶም ድማ ምስ ኣንስትን ደቅን ኰይኖም፡ ክሳብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና። ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ተምበርኪኽና ጸለና፡ 6 ተሰነባበትና ኸኣ። ሽዑ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፣ ንሳቶም ድማ ነናብ ቤቶም ተመልሱ። 7 ሽዑ፡ ንሕና ኻብ ጢሮስ ዝጀመርናዮ ጕዕዞ ዛዚምና ናብ ጵቶልማዩስ በጻሕና፣ ንኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ጸናሕና። 8 ንጽብሒቱ፡ ካብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ በጻሕና፣ ናብ ቤት እቲ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዝነበረ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ኣቲና ድማ፡+ ምስኡ ቐነና። 9 ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ዘይተመርዓዋ* ኣዋልድ ነበራኦ።+ 10 ሓያሎ መዓልትታት ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ+ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ። 11 ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፡ ብእኡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሰረ እሞ፡ “መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣይሁድ ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም፡+ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም’” በለ።+ 12 እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ኣብኡ ዝነበሩን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ለመንናዮ። 13 ሽዑ፡ ጳውሎስ፡ “ኣቱም እትበኽዩን ልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧ ኣነ ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ንሙማት እውን ተዳልየ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።+ 14 ከነእምኖ ፈቲንና ምስ ኣበየና፡ “ፍቓድ የሆዋ* ይኹን” ኢልና ምቅዋሙ ሓደግና።* 15 ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚአን ንጕዕዞ ተዳሊና፡ ናብ የሩሳሌም ደየብና። 16 ገለ ኻብቶም ኣብ ቂሳርያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ እውን ምሳና ኸዱ፣ ናብቲ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር ዝዀነ ምናሶን ብዓል ቆጵሮስ ከኣ መርሑና፣ ኣብኡ እውን ተኣንገድና። 17 ናብ የሩሳሌም ምስ በጻሕና ድማ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18 ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ+ ከደ፣ ኵሎም እቶም ሽማግለታት ድማ ኣብኡ ነበሩ። 19 ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ ብኣገልግሎቱ ኣቢሉ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ነገር ብዝርዝር ኣዘንተወሎም። 20 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣሞጊሶም ከምዚ በልዎ፦ “ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣለኻ፣ ኵላቶም ከኣ ንሕጊ ቕንኣት ኣለዎም።+ 21 ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ፡ ደቆም ከይገዝሩን ብልምድታት ከይመላለሱን እናነገርካ፡ ምስ ሙሴ ዚጻረር ክሕደት ትምህር ከም ዘለኻ፡ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።+ 22 እንታይ ደኣ ይገበር፧ ብርግጽ ምምጻእካ ኺሰምዑ እዮም። 23 እምበኣር፡ እዚ እንብለካ ግበር፦ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኡት ኣለዉና። 24 ነዚኣቶም ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፣ ርእሶም ኪላጸዩ እውን፡ ወጻኢታቶም ሸፍነሎም። ሽዑ፡ ንስኻ እውን ሕጊ እናሓሎኻ ብስርዓት ከም እትመላለስ እምበር፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ወረስ ከንቱ ምዃኑ፡ ኵሎም ኪፈልጡ እዮም።+ 25 ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውአን+ ካብ ደምን+ ካብ ሕኑቕን*+ ካብ ምንዝርናን*+ ኪርሕቁ፡ ውሳነና ብጽሑፍ ልኢኽናሎም ኣለና።” 26 ሽዑ፡ ጳውሎስ ነቶም ሰብኡት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ነጽሀ፣+ መዓልትታት ምንጻሆም መዓስ ከም ዚውድኣን ንነፍሲ ወከፎም መዓስ መስዋእቲ ኸም ዚቐርበሎምን ኪነግር ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። 27 እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኺውድኣ ምስ ቀረባ ድማ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣይዎ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ እሞ፡ 28 “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ርድኡና! እቲ ኣብ ኵሉ ምስ ህዝብናን ምስ ሕግናን ምስ እዛ ቦታ እዚኣን ዚጻረር ንዅሉ ዚምህር ሰብ እዚ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ግሪኻውያን እውን ናብ ቤተ መቕደስ ኣእትዩ፡ ነዛ ቕድስቲ ቦታ ኸኣ ኣርኪስዋ” ኢሎም ጨደሩ።+ 29 ከመይሲ፡ ቅድም ንጥሮፊሞስ+ ብዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ፣ ጳውሎስ ናብታ ቤተ መቕደስ ዘእተዎ እውን መሲልዎም ነበረ። 30 ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ተነዓበት፣ ህዝቢ እናጐየየ ድማ መጸ፣ ንጳውሎስ ሒዞም ከኣ ካብታ ቤተ መቕደስ ንወጻኢ ወጠጥዎ፣ ብኡብኡ እውን ነቲ መዓጹ ዓጸውዎ። 31 ኪቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕ እቲ ኣሃዱ ሰራዊት፡ ብዘላ የሩሳሌም ዕግርግር ከም ዝበለት፡ ሓበሬታ በጽሖ፣ 32 ንሱ ድማ ብኡብኡ ወተሃደራትን ሓላቑ ሚእትን ሒዙ ናባታቶም ጐየየ። ነቲ ሓለቓ ሽሕን ንወተሃደራቱን ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስ ምውቃዑ ሓደጉ። 33 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ሓዞ፡ ብኽልተ ሰንሰለት ኪእሰር ድማ ኣዘዘ፣+ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረን እውን ሓተተ። 34 ግናኸ፡ እቶም ህዝቢ፡ ገሊኣቶም ከምዚ፡ ገሊኣቶም እውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። ብሰንኪ እቲ ጫውጫው ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬብጽሕዎ ኣዘዘ። 35 ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሐ ግና፡ እቲ ህዝቢ ስለ ዝነደረ፡ እቶም ወተሃደራት ተሰከምዎ፣ 36 ከመይሲ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ “ንየው በሎ!” ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። 37 ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬእትውዎ ምስ በሉ ድማ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ “ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ግሪኽኛ ኽትዛረብ ትኽእል ዲኻ፧ "38 ቅድሚ እተወሰነ ግዜ ኣናዒብካስ፡ 4,000 ሰብ ሽቶል ናብ በረኻ ዘውጻእካ ግብጻውስ ንስኻ ደይኰንካን፧” በሎ።" 39 ጳውሎስ ድማ፡ “ኣነስ ኣይሁዳዊ+ ብዓል ጠርሴስ+ ናይ ቂልቅያ፡ ወዲ እታ ውርይቲ ኸተማ እየ። ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ ከኣ፡ እልምነካ ኣለኹ” በሎ። 40 ምስ ፈቐደሉ፡ ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ ኣመልከተሎም። ዓብዪ ጸጥታ ምስ ኰነ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ+ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 15 ገሊኦም ካብ ይሁዳ ወረዱ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት፡ “ከም ልምዲ ሙሴ እንተ ዘይተገዚርኩም፡+ ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም። 2 ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ፍልልይን ክትዕን ምስ ኰነ፡ ጳውሎስን በርናባስን ገለ ኻባታቶምን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ* እዚ፡ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኪድይቡ ተመደበ።+ 3 ሽዑ፡ ንሳቶም ካብታ ጉባኤ ምስ ተፋነዉ፡ ኣህዛብ ከም እተመልሱ እናኣዘንተዉ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፣ ንዅሎም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሐጐስዎም። 4 ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ እታ ጉባኤን እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ብጽቡቕ ተቐበልዎም፣ ንሳቶም ድማ እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉ ኣዘንተዉሎም። 5 ገለ ኻብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና፡ ተንሲኦም፡ “ኪግዘሩን ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኺሕልዉ ኺእዘዙን ይግባእ እዩ” በሉ።+ 6 እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ። 7 ድሕሪ ብዙሕ ዘተ* ድማ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳሞት መዓልትታት ኣትሒዙ፡ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ብስራት ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሓረየኒ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 8 እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ+ ከኣ ከምቲ ንዓና ዝሃበና፡ ንዓታቶም እውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ፡ መስኪሩሎም እዩ።+ 9 ልቦም ደኣ እዩ ብእምነት ኣንጺሁ እምበር፡+ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምንሲ ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።+ 10 እምበኣርከስ፡ ሕጂ ነቲ ኣቦታትና ዀኑ ንሕና ኽንጾሮ ዘይከኣልና+ ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምጽዓን፡+ ስለምንታይ ንኣምላኽ ትፍትንዎ ኣለኹም፧ 11 ንሕናስ ከማታቶም ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን ኢና እንኣምን።”+ 12 ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ሰባት ስቕ በሉ፣ በርናባስን ጳውሎስን ነቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ብዙሕ ትእምርትታትን ተኣምራትን ኬዘንትዉሎም ከለዉ፡ ሰምዕዎም። 13 ንሳቶም ተዛሪቦም ምስ ወድኡ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ስምዑኒ። 14 ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንፈለማ ግዜ ኸመይ ገይሩ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም፡ ስምኦን+ ኣዘንትዩ ኣሎ።+ 15 ቃል ነብያት እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ እዩ፦ 16 ‘ድሕርዚ ተመሊሰ ነታ ዝወደቐት ድንኳን* ዳዊት መሊሰ ኸተንስኣ፡ ነቲ ዑናታታ ዳግም ክሃንጾን ከዐርዮን እየ፣ 17 እዚ ድማ እቶም ዝተረፉ ሰባትን ኵሎም እቶም ብስመይ ዚጽውዑ ኣህዛብን ንየሆዋ* ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺደልይዎ እዩ፡ ይብል እቲ እዚ ዚገብር ዘሎ የሆዋ፣*+ 18 እዚ እውን ካብ ጥንቲ እተፈልጠ እዩ።’+ 19 ስለዚ፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም እዩ ውሳነይ፣*+ 20 ግናኸ፡ ብጣኦታት ካብ ዝረኸሰን+ ካብ ምንዝርናን*+ ካብ ሕኑቕን* ካብ ደምን ኪርሕቁ ንጽሓፈሎም።+ 21 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙስ፡ ሰንበት ሰንበት ንሙሴ ኣብ ምኵራባት ዓው ኢሎም ስለ ዜንብብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ንዕኡ ዚሰብኩ ኣለዉ።”+ 22 ሽዑ፡ እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ምስ ብዘላ እታ ጉባኤ ዀይኖም፡ ካብ መንጎኦም እተሓርዩ ሰብኡት፡ ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ኺልእክዎም ወሰኑ። ነቶም ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዚመርሑ ዝነበሩ በርሰባስ ዚብሃል ይሁዳን ሲላስን+ ከኣ ለኣኽዎም። 23 ነዚ ጽሒፎም ድማ ብኣታቶም ገይሮም ለኣኽዎ፦ “ካብ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣሕዋትኩም፡ ናብቶም ኣብ ኣንጾክያን+ ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ዘለኹም ካብ ኣህዛብ ዝዀንኩም ኣሕዋት፦ ሰላም። 24 ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባና ወጺኦም ብዘረባኦም ከም ዝረበሹኹምን+ ከም ዘዕገርገሩኹምን* ስለ ዝሰማዕና፡ 25 ሰባት ሓሪና ምስቶም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን ክንልእከልኩም ብሓደ ወሲንና ኣለና፣ 26 ንሳቶምሲ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም* ኣሕሊፎም ዝሃቡ እዮም።+ 27 ስለዚ፡ ይሁዳን ሲላስን ነዚ ነገር እዚ ብቓል ምእንቲ ኺነግሩኹም፡ ንዓታቶም እውን ልኢኽናልኩም ኣለና።+ 28 መንፈስ ቅዱስን+ ንሕናንሲ ብዘይካ እዚ እተገብአ ነገራት እዚ፡ ካልእ ሓለፋ ጾር ከይንውስኸልኩም ሓሲብና ኣለና፣ 29 ንጣኦታት ካብ እተሰውአን+ ካብ ደምን+ ካብ ሕኑቕን*+ ካብ ምንዝርናን* ርሓቑ።+ ርእስኹም ካብዚ እንተ ሓሊኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።” 30 ንሳቶም ምስ ተፋነዉ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፣ ንዅሎም ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ሃብዎም። 31 ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ መተባብዒ ተሓጐሱ። 32 ይሁዳን ሲላስን ከኣ፡ ንሳቶም እውን ነብያት ነበሩ እሞ፡ ብብዙሕ መደረታት ኣተባብዕዎምን ኣበራትዕዎምን።+ 33 እተወሰነ እዋን ምስ ጸንሑ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ። 34 *—— 35 ጳውሎስን በርናባስን ግና እናመሃሩን ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖም ቃል የሆዋ* እናኣበሰሩን ኣብ ኣንጾክያ ጸንሑ። 36 ድሕሪ ገለ መዓልትታት ጳውሎስ ንበርናባስ፡ “ሕጂ* ንዓ ንመለስ እሞ እቶም ኣብተን ቃል የሆዋ* ዝሰበኽናለን ዘበላ ኸተማታት ዘለዉ ኣሕዋት ከመይ ከም ዘለዉ ምእንቲ ኽንርኢ፡ ንብጽሓዮም” በሎ።+ 37 ሽዑ፡ በርናባስ ነቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ኪማልእዎ ቘረጸ።+ 38 ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፊልያ እተፈልየን ምሳታቶም ናብቲ ዕዮ ዘይከደን፡ ኪማልእዎ ግቡእ ኣይመሰሎን።+ 39 ሽዑ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፈላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ቈየቛ ዀነ፣ በርናባስ+ ከኣ ንማርቆስ ተማሊኡ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። 40 ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሓረየ፣ እቶም ኣሕዋት ንጸጋ የሆዋ* ምስ ኣማዕቈብዎ ድማ ነቐለ።+ 41 ነተን ጉባኤታት እናኣበራትዐ እውን፡ ብሶርያን ብቂልቅያን ሓለፈ። 22 “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይን ኣቦታተይን፡ እዚ ሕጂ ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ።”+ 2 ንሳቶም ብቛንቋ እብራይስጢ ኺዛረቦም ምስ ሰምዕዎ፡ ብዝያዳ ጸጥ በሉ፣ ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ 3 “ኣነ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ+ እተወለድኩ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ብሕጊ ኣቦታት+ ኣብ እግሪ ገማልኤል+ ብጥንቃቐ እናሰልጠንኩ እተመሃርኩ ኣይሁዳዊ እየ፣+ ከምዚ ዅላትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ድማ፡ ንኣምላኽ ቀናእ ኰይነ።+ 4 ሰብኡትን ኣንስትን እናኣሰርኩን ናብ ቤት ማእስርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩን፡ ነዛ መገዲ እዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጒጐያ፣+ 5 ብዛዕባ እዚ ሊቀ ኻህናትን ኵላቶም ዓበይትን ኪምስክሩለይ ይኽእሉ እዮም። ካባታቶም ናብቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ኣሕዋት ዚበጽሓ ደብዳበታት ተቐቢለ፡ ምእንቲ ኪቕጽዑ፡ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሲረ ናብ የሩሳሌም ከምጽኦም እኸይድ ነይረ። 6 “ክኸይድ ከለኹ፡ ናብ ደማስቆ ኸኣ ምስ ቀረብኩ ግና፡ ኣጋ ቐትሪ ኣቢሉ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብ ዙርያይ በሪሁ፣+ 7 ናብ ምድሪ ድማ ወዲቐ፡ ‘ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧’ ዚብል ድምጺ እውን ሰሚዐ። 8 ኣነ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧’ ኢለ መሊሰ። ንሱ ድማ፡ ‘እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ እየ’ ኢሉኒ። 9 እቶም ምሳይ ዚጕዓዙ ዝነበሩ፡ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፣ ድምጺ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ግና ኣይሰምዑን። 10 ሽዑ፡ ‘ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧’ ኢለዮ። ጐይታ ድማ፡ ‘ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ፣ እቲ ኽትገብሮ እተመደበልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኺንገረካ እዩ’ ኢሉኒ።+ 11 ብድምቀት እቲ ብርሃን ክርኢ ስለ ዘይከኣልኩ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ እናመርሑኒ ናብ ደማስቆ በጺሐ። 12 “ሃናንያ ዚብሃል ከም ሕጊ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ኣብኣ ብዚነብሩ ዅሎም ኣይሁድ ከኣ ጽቡቕ እተመስከረሉ ሰብኣይ፡ 13 ናባይ መጺኡ። ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ ኸኣ፡ ‘ሳውል ሓወይ፡ ርአ!’ ኢሉኒ። ሽዑ፡ ኣዒንተይ ኣልዒለ ርእየዮ።+ 14 ንሱ ድማ፡ ‘ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ክትርእዮን+ ድምጺ ኣፉ ኽትሰምዕን ሓርዩካ ኣሎ፣ 15 ብዛዕባ እቲ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ነገራትሲ፡ ንዅሎም ሰባት ምስክር ክትኰኖ ኢኻ።+ 16 ሕጂኸ ስለምንታይ እትድንጒ፧ ተንስእ፡ ተጠመቕ፡ ስሙ ጸዊዕካ+ ኸኣ ካብ ሓጢኣትካ ተሓጸብ’+ ኢሉኒ። 17 “ናብ የሩሳሌም ተመሊሰ+ ኣብ ቤተ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ኸለኹ ኸኣ፡ ምስ ተመሰጥኩ፡ 18 ‘ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ስለ ዘይቅበልዎ፡ ቀልጢፍካ ኻብ የሩሳሌም ውጻእ’ ኪብለኒ ኸሎ ርእየዮ።+ 19 ኣነ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዚኣምኑ እኣስሮምን ኣብ መምኵራብ እገርፎምን ከም ዝነበርኩ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም፣+ 20 ደም እስጢፋኖስ እቲ ምስክርካ ኺፈስስ ከሎ ኸኣ፡ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፡ ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎ እውን ሓልየ እየ’ ኢለዮ።+ 21 ንሱ ድማ፡ ‘ኣነ ናብ ርሑቕ ናብ ኣህዛብ ስለ ዝልእከካ፡ ኪድ ደኣ’ ኢሉኒ።”+ 22 ክሳዕ እዚ ቓል እዚ ሰምዕዎ። ድሕሪኡ ግና ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ “ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሓቕ!” በሉ። 23 ይጭድሩን ክዳውንቶም ይድርብዩን ሓመድ ናብ ላዕሊ ይብትኑን ስለ ዝነበሩ፡+ 24 እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ንጳውሎስ ዚጭድሩሉ ዝነበሩ ምኽንያት ብልክዕ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ንጳውሎስ ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬእትውዎን ብመግረፍቲ ኺምርመርን ኣዘዘ። 25 ኪገርፍዎ ኢሎም ምስ ወጠርዎ ግና፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ፡ “ንዘይተፈርዶ* ሮማዊ ሰብ ክትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧” በሎ።+ 26 እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ከይዱ፡ “እንታይ ኢኻ ኽትገብር ሓሲብካ፧ እዚ ሰብ እዚ ሮማዊ እዩ” ኢሉ ነገሮ። 27 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ቀሪቡ፡ “ሮማዊ ዲኻ፧ እስከ ንገረኒ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እወ” በለ። 28 እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ፡ “ኣነ ነዚ መሰል ዜግነት እዚ ብብዙሕ ገንዘብ እየ ዓዲገዮ” ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ድማ፡ “ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ” በሎ።+ 29 እቶም እናኣሳቐዩ ኺምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ ብኡብኡ ኻብኡ ኣልገሱ፣ እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ብሰንሰለት ስለ ዝኣሰሮ ፈርሀ።+ 30 በቶም ኣይሁድ ስለምንታይ ከም እተኸስሰ ርግጽ ኪፈልጥ ደልዩ ድማ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ እሞ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዅሉ እቲ ዋዕላን ኪእከቡ ኣዘዞም። ንጳውሎስ ኣውሪዱ ድማ፡ ኣብ መንጎኦም ደው ኣበሎ።+ 3 ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ብልጫኡ፧ ወይስ ጥቕሚ ግዝረት እንታይ እዩ፧ 2 ብዅሉ መዳይ ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፡ እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ንዓታቶም ሕድሪ ተዋሂብዎም እዩ።+ 3 እሞ ደኣ ገሊኦም እንተ ዘይኣሚኖም፡ እቲ ዘይምእማኖም ንተኣማንነት ኣምላኽ ከንቱ ይገብሮ ድዩ፧ 4 ያእ ኣይፋሉን! ከምቲ፡ “ብቓላትካ ምእንቲ ኽትጸድቕን ኪፍረደካ ኸሎ ምእንቲ ኽትረትዕን” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ፡+ ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ዀይኑ ይረኸብ።+ 5 ግናኸ፡ እቲ ዓመጻና፡ ጽድቂ ኣምላኽ ዜጕልሕ ካብ ኰነ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቍጥዓኡ ምስ ዜውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ (ከም ኣዘራርባ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።) 6 ያእ ኣይፋሉን! ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ኪፈርዳ እዩ፧+ 7 ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ ግና፡ ስለምንታይ ደኣ እየ ኸም ሓጥእ ዝፍረድ ዘለኹ፧ 8 ከምቲ ገሊኦም፡ “ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእሲ፡ ክፉእ ንግበር” ከም እንብል ዚጥቅኑና ደኣ ስለምንታይ ዘይንብል፧ ኣብዚኣቶም ዚወርድ ፍርዲ ፍትሓዊ እዩ።+ 9 እሞኸ ደኣ፧ ንሕና ዝሓሽና ዲና፧ ከቶ ኣይኰንናን! ኣቐዲምና፡ ኵሎም ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ከሲስና ኣለና፣+ 10 ከምኡ ኸኣ ተጻሒፉ ኣሎ፦ “ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን፣+ 11 ልቦና ዘለዎ የልቦን፣ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። 12 ኵላቶም ኣልጊሶም፡ ኵላቶም ዘይጠቕሙ ዀይኖም፣ ዚልውህ የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን።”+ 13 “ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፣ ብልሳናቶም የታልሉ ኣለዉ።”+ “ብድሕሪ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።”+ 14 “ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።”+ 15 “ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፋት እየን።”+ 16 “ጥፍኣትን ጸበባን ኣብ መገድታቶም ኣሎ፣ 17 ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈለጥዋን።”+ 18 “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።”+ 19 እምበኣር፡ ኵሉ ኣፍ ምእንቲ ኺዕጾ፡ ኵላ ዓለም እውን ብኣምላኽ እትቕጻዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ እቲ ሕጊ ዚብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዚብሎም፡ ንፈልጥ ኢና።+ 20 ስለዚ፡ ሓጢኣት ብሕጊ እዩ ብልክዕ ዚፍለጥ እሞ፡+ ብግብሪ ሕጊ ኣብ ቅድሚኡ ዚጸድቕ* ሓደ እኳ* የልቦን።+ 21 ሕጂ ግና፡ ከምቲ ብሕግን ብነብያትን እተመስከረ፡+ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ተገሊጹ እዩ፣+ 22 እወ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን፡ ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ እዩ። ኣብዝስ ፍልልይ የልቦን።+ 23 ከመይሲ፡ ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ እውን ጐዲልዎም እዩ፣+ 24 በቲ ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ ድማ፡+ ብናጻ ውህበት+ ብጸጋኡ እዮም ዚጸድቁ።+ 25 ኣምላኽ ንዕኡ፡ ነቶም ብደሙ ዚኣምኑ መተዓረቒ ገይሩ ኣቚምዎ እዩ።+ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ እናተጻወረ ነቲ ቐደም እተገብረ ሓጢኣት ብምሕዳግ፡ ጽድቁ ኼርኢ ኢሉ እዩ። 26 እዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብየሱስ ንዚኣምን ኬጽድቖ ኸሎ እውን፡+ ንሱ ጻድቕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።+ 27 ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ የልቦን። በየናይ ሕጊ፧ ብናይ ግብሪ ድዩ፧+ ኣይኰነን፡ ብሕጊ እምነት እባ ደኣ። 28 ከመይሲ፡ ሰብ ብዘይ ግብሪ ሕጊ፡ ብእምነት ከም ዚጸድቕ ጌርና ኢና እንሓስብ።+ 29 ወይስ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣይሁድ ጥራይ ድዩ፧+ ኣምላኽ ኣህዛብ እውን ደይኰነን፧+ እወ፡ ኣምላኽ ኣህዛብ እውን እዩ።+ 30 ኣምላኽ ሓደ ስለ ዝዀነ፡+ ንግዙራት ሳላ እምነቶም የጽድቖም፡+ ንዘይግዙራት እውን ብእምነቶም የጽድቖም።+ 31 እሞኸ ንሕጊ ብእምነትና ነፍርሶዶ ኣለና፧ ያእ ኣይፋልናን! ንሕግስ እባ ነደልድሎ ኣለና።+ 7 ኣሕዋተየ፡ (ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡) ሰብ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 2 ንኣብነት፡ ምርዕውቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ፣ ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ።+ 3 እምበኣር፡ ሰብኣያ ብህይወት ከሎስ፡ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀይና፡ ዘማዊት እያ እትብሃል።+ ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግና፡ ካብ ሕጉ ሓራ እያ እሞ፡ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀይና፡ ዘማዊት ኣይኰነትን።+ 4 እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም እውን ናይ ካልእ፡ ማለት ናይቲ ንኣምላኽ ክንፈሪ+ ኢሉ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ምእንቲ ኽትኰኑ፡+ ብሰብነት ክርስቶስ ኣቢልኩም ንሕጊ ምዉታት ኴንኩም ኢኹም። 5 ብስጋ ኣብ ዝነበርናሉ እዋንሲ፡ ሞት ምእንቲ ኽንፈሪ፡ እቲ ብሕጊ እተጋህደ ሓጥእ ፍትወት ኣብ ሰብነትና* ይዓዪ ነይሩ እዩ።+ 6 ሕጂ ግና ብኣረጊት መገዲ ብጽሑፍ ሕጊ ዘይኰነስ፡+ ብሓድሽ መገዲ ብመንፈስ ባሮት ክንከውን፡+ ነቲ ቐዪዱና ዝነበረ ሕጊ ብሙማትና፡ ካብቲ ሕጊ ተፈቲሕና ኢና።+ 7 እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! ብዘይ እቲ ሕግስ ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።+ ንኣብነት፡ እቲ ሕጊ፡ “ኣይትተምነ” እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።+ 8 ግናኸ፡ ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ ኵሉ ዓይነት ትምኒት ኣሕዲሩለይ።+ 9 ሓደ እዋን ብዘይ ሕጊ ህያው ነይረ። እቲ ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ከም ብሓድሽ ህያው ኰይኑ፡ ኣነ ኸኣ ሞይተ።+ 10 እቲ ናብ ህይወት ዚመርሕ ትእዛዝ ድማ፡+ ናብ ሞት ዚመርሕ ኰይኑ ረኺበዮ። 11 ከመይሲ፡ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ ኣስሒቱኒ፡ ብእኡ እውን ቀቲሉኒ። 12 እምበኣር፡ እቲ ሕግስ ቅዱስ እዩ፣ እቲ ትእዛዝ እውን ቅዱስን ቅኑዕን ሰናይን እዩ።+ 13 እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንዓይ ሞት ዝዀነኒ፧ ያእ ኣይፋሉን! ሓጢኣት በቲ ሰናይ ኣቢሉ ሞት ከም ዜምጽእ ኪርአስ፡+ ሓጢኣት በቲ ትእዛዝ ኣቢሉ ኣዝዩ ሓጥእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ።+ 14 እቲ ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑስ ንፈልጥ ኢና፣ ኣነ ግና ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ።+ 15 ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። 16 ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰማምዓሉ ኣለኹ። 17 ሕጂ ግና እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።+ 18 ሰናይ ክገብር ድሌት ደኣ ኣሎኒ እምበር፡ ክእለት የብለይን እሞ፡ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘይሓድር እፈልጥ እየ።+ 19 ከመይሲ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 20 ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብሮስ፡ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። 21 እምበኣር፡ ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ከም ዘሎ፡ እዚ ሕጊ ዀይኑኒ ረኸብክዎ።+ 22 ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ደስ ይብለኒ እዩ፣+ 23 ግናኸ፡ ኣብ ሰብነተይ* ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን+ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ* ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን+ ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ። 24 እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ! ካብዚ ናብ ሞት ዚመርሕ ሰብነት እዝስ መን ኬናግፈኒ እዩ፧ 25 ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ይመስገን! እምበኣር፡ ብኣእምሮይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት ባርያ እየ።+ 12 እምበኣር ኣሕዋተየ፡ ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን+ ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም፡ ማለት ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም+ ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ከተቕርብዎ፡+ ብርሕራሐ ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ። 2 እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡+ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡+ ደጊም በዚ ስርዓት* እዚ ኣይትቀረጹ። 3 ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡+ የግዳስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ* መስፈር እምነት ገይሩ ብልብምና ኺሓስብ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣለኹ።+ 4 ከመይሲ፡ ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎና፡+ እቲ ኣካላት ግና ሕደ ተግባር ዘይብሉ፡ 5 ከምኡ ድማ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት፡ ግናኸ ነፍሲ ወከፍና ኣካላት ሓድሕድ ኢና።+ 6 ከከም እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ካብ ሃለወና፡+ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ከከም መጠን እምነትና ንነበ፣ 7 ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ነገልግል፣ ወይስ እቲ ዚምህር፡ ይምሃር፣+ 8 ወይስ እቲ ዜተባብዕ፡* የተባብዕ፣*+ እቲ ዚዕድል፡ ብልግሲ ይዓድል፣*+ እቲ ዚመርሕ፡ ብትግሃት ይምራሕ፣+ እቲ ዚምሕር፡ ብሓጐስ ይምሓር።+ 9 ፍቕርኹም ብዘይ ግብዝና ትኹን።+ ንእከይ ፈንፍንዎ፡+ ናብ ሰናይ ልገቡ። 10 ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።*+ 11 ትግሁ፡* ኣይትተሃከዩ።*+ ብመንፈስ ተቓጸሉ።+ ንየሆዋ* ተገዝእዎ።+ 12 ብተስፋ ተሓጐሱ። ኣብ ትሕቲ ጸበባ ተጻወሩ።+ ብጸሎት ጽንዑ።+ 13 ንቕዱሳት ከከም ዜድልዮም ኣማቕሉ።+ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።+ 14 ንዚሰጕጉኹም መርቑ፣+ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ።+ 15 ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐሱ፣ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። 16 ንኻልኦት ከም ንርእስኹም ጌርኩም ሕሰቡሎም፣ ትሕት በሉ እምበር፡ ሓሳብኩም ኣብ ላዕለ ላዕሊ ኣይትግበሩ።*+ ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ኣይምሰልኩም።+ 17 ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።+ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ሕሰቡ። 18 ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።+ 19 ፍቑራተየ፡ “‘ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡’ ይብል የሆዋ”* ጽሑፍ እዩ እሞ፡+ ነቲ ቝጥዓስ* ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።+ 20 ግናኸ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠምዩ፡ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸሚኡ፡ ኣስትዮ፣ ነዚ ብምግባርካስ፡ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽትኵምር ኢኻ።”*+ 21 ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።+ 1 ካብ ጳውሎስ እቲ ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዐ፡ ንብስራት ኣምላኽ ከኣ እተፈልየ፡+ እተላእከት መልእኽቲ፣ 2 እዚ ብስራት እዚ ድማ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣቢሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ ዀይኑ፡ 3 ብዛዕባ እቲ ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝመጸ ወዱ እዩ።+ 4 ንሱ ኻብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡+ ብመንፈስ ቅድስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ ተጋሂዱ እዩ፣+ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ። 5 ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብእምነት ተኣዛዝነት ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡+ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐቢልና ኢና፣+ 6 ካብቶም ኣህዛብ እውን ንስኻትኩም ናይ የሱስ ክርስቶስ ክትኰኑ ተጸዊዕኩም ኣለኹም። 7 ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ሮሜ ዘለዉ ቕዱሳት ኪዀኑ እተጸውዑ ፍቑራት ኣምላኽ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 8 እምነትኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ። 9 ከየቋረጽኩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ጸሎተይ ከም ዝጠቕሰኩም፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ እናኣበሰርኩ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ* ኣምላኽ ምስክረይ እዩ፣+ 10 ሕጂ ኣብ መወዳእታ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰሊጡንስ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እልምን እየ። 11 ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም ኢለ፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ 12 ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ።+ 13 ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣብ ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ፡ ኣባኻትኩም እውን ፍረ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ ብዙሕ ግዜ ኸም ዝሓለንኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣለኹ። 14 ንግሪኻውያንን ንጓኖትን፡* ንለባማትን* ንዓያሹን ዕዳ ኣሎኒ። 15 ስለዚ፡ ኣብ ሮሜ ንዘለኹም እውን ከበስረኩም ተሃንጥየ ኣለኹ።+ 16 ብብስራትሲ ኣይሓፍርን እየ፣+ እኳ ደኣስ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡+ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡+ ከምኡ ድማ ንግሪኻዊ፡+ ንድሕነት ዚኸውን ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 17 ከመይሲ፡ ከምቲ፡ “ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ብእምነትን ንእምነትን ይግለጽ ኣሎ።+ 18 ቍጥዓ ኣምላኽሲ+ ኻብ ሰማይ ኣብ ኵሉ ረሲእነትን ዓመጻን እቶም ንሓቂ ብዓመጻ ዚዓብጡ+ ሰባት ይግለጽ ኣሎ። 19 ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣግሂዱሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሁድ እዩ።+ 20 እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን+ ኣምላኽነቱንሲ፡+ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ፣+ ስለዚ፡ ዜመኻንይዎ የብሎምን። 21 ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኣየኽበርዎን፡ ኣየመስገንዎን እውን፣ የግዳስ፡ ብሓሳቦም ከንቱ ዀይኖም፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም እውን ጸልሚቱ።+ 22 ለባማት* ኢና እኳ እንተ በሉ፡ ዓሽዮም፣ 23 ንኽብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ከኣ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳታትን ለመምትን ዚመስል ለዊጦምዎ።+ 24 ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ሰብነቶም ምእንቲ ኼሕስሩ፡ ከም ትምኒት ልቦም፡ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሂብዎም። 25 ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ብሓሶት ለዊጦምዎ፣ ኣብ ክንዲ ንፈጣሪ፡—ንሱ ንዘለኣለም እተወደሰ እዩ፡ ኣሜን፡—ንፍጥረት ኣምሊኾምን ኣገልጊሎምን። 26 ስለዚ ድማ እዩ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወተ ስጋ ኣሕሊፉ ዝሃቦም፣+ ከመይሲ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ባህርያዊ ርክብ፡ ናብ ዘይባህርያዊ ለዊጠናኦ፣+ 27 እቶም ደቂ ተባዕትዮ እውን ከምኡ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዚግበር ባህርያዊ ርክብ ሓዲጎም፡ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ጽዩፍ ተግባር እናገበሩን+ ግቡእ መቕጻዕቲ* ስሕተቶም ኣብ ርእሶም እናተቐበሉን+ ኣብ ንሓድሕዶም ብፍትወት ረሲኖም። 28 ከምቲ ንኣምላኽ ኪእመኑሉ ዘይደለዩ፡* ኣምላኽ ከኣ ዘይግቡእ ነገር ኪገብሩ ንዘይሰምሮ ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሂብዎም።+ 29 ብዅሉ ዓመጻ፡+ እከይ፡ ስስዐ፡+ ክፍኣት፡ ቅንኢ፡+ ቅትለት፡+ ባእሲ፡ ተንኰል፡+ ሕሰም+ ድማ ተመሊኦም፣ ከምኡ እውን መሕሸዅሸዅቲ፡* 30 ሓመይቲ፡+ ጸላእቲ ኣምላኽ፡ ነቓጻት፡ ዕቡያት፡ ምኩሓት፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡+ 31 ዘይርድኡ፡+ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ጨካናት ኰይኖም። 32 እዚኣቶም፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡+ እዚ እውን ቅኑዕ ትእዛዝ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቖም ዚፈልጡ ኽነሶም፡ ነዚ ይገብርዎ ኣለዉ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ ነቶም ዚገብርዎ ይሰምርዎም ኣለዉ። 8 እምበኣር፡ እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም፡ ኵነኔ የብሎምን። 2 ከመይሲ፡ እቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎካ ሓድነት ህይወት ዚህብ ሕጊ እቲ መንፈስ፡ ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡካ ኣሎ።+ 3 ሕጊ ብስጋ ብምድካሙ+ ኺገብሮ ዘይከኣለስ፡+ ኣምላኽ ንወዱ፡ ንሓጢኣት ምእንቲ ኼወግድ ብኣምሳል እቲ ሓጥእ ስጋ ብምልኣኽ፡+ ነቲ ብስጋ ዝዀነ ሓጢኣት ኰኒንዎ እዩ። 4 እዚ ድማ እቲ ብሕጊ ዚድለ ስርዓታት ጽድቂ ኣባና፡ ኣብቶም ብስጋ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እንመላለስ፡ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+ 5 እቶም ብስጋ ዚነብሩስ፡ ናይ ስጋ እዮም ዚሓስቡ፣+ እቶም ብመንፈስ ዚነብሩ ግና፡ ናይ መንፈስ እዮም ዚሓስቡ።+ 6 ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ሞት እዩ፣+ ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን እዩ፣+ 7 ምኽንያቱ፡ ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ዚግዛእ ኣይኰነን፡ ኪኸውን እውን ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ጽልኢ ምስ ኣምላኽ እዩ።+ 8 እቶም ምስ ስጋ ተሰማሚዖም ዚመላለሱስ፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኣይክእሉን እዮም። 9 ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም እንተ ሓዲሩስ፡ ምስ ስጋ ዘይኰነስ፡ ምስ መንፈስ ኢኹም ተሰማሚዕኩም እትመላለሱ።+ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ እንተ ኣልዩ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። 10 ግናኸ፡ ምስ ክርስቶስ ሓድነት እንተ ኣልዩኩም፡+ ሰብነትኩም ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፣ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ፡ ህይወት እዩ። 11 መንፈስ እቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ+ ነቲ መዋቲ ሰብነትኩም በቲ ኣባኻትኩም ዚሓድር መንፈሱ ገይሩ ህያው ኪገብሮ እዩ።+ 12 እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ግዴታስ ኣሎና፣ ግናኸ፡ ንስጋ፡ ማለት ብስጋ ኽንነብር ኣይኰነን፣+ 13 ብስጋ እንተ ነቢርኩምሲ፡ ክትሞቱ ኢኹም፣ ግብሪ ሰብነት ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩም ግና፡+ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+ 14 ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ፡ ንሳቶም ውሉዳት ኣምላኽ እዮም።+ 15 ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ኣቢልና፡ “ኣባ፡* ኣቦ!” ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም እተቐበልኩም እምበር፡ ከም ብሓድሽ ዜፍርሃኩም መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።+ 16 ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና፡+ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር።+ 17 ውሉዳት ካብ ኰንናስ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፣—ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ፡+—ምስኡ መከራ እንተ ጸጊብና፡+ ምስኡ እውን ክንከብር ኢና።+ 18 እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መከራ ምስቲ ኣባና ዚግለጽ ክብሪ ኺነጻጸር ከሎስ፡ ኣብ ግምት ከም ዘይኣቱ ገይረ እየ ዝቘጽሮ።+ 19 ከመይሲ፡ ፍጥረት ንምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ብሃረርታ ይጽበ ኣሎ።+ 20 ምኽንያቱ፡ ፍጥረት ብፍቓዱ ዘይኰነስ፡ በቲ ዘግዝኦ፡ ብተስፋ ንኸንቱ እዩ ተገዚኡ፣+ 21 እዛ ተስፋ እዚኣ ኸኣ፡ ፍጥረት ንባዕሉ እውን፡ ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኺወጽእን+ ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ኪህልዎን እያ። 22 ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ከም ዘሎስ፡ ንፈልጥ ኣለና። 23 ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕና ብዅርነት፡ ማለት መንፈስ ዘሎና እውን፡ እወ ንሕና እኳ ውሉድነት፡+ ማለት ብጀዋ ሰብነትና ተሃንጢና እናተጸበና፡ ብውሽጥና ነስቈርቍር ኢና።+ 24 ከመይሲ፡ በዛ ተስፋ እዚኣ ኢና ድሒንና፣ እትርአ ተስፋ ግና፡ ተስፋ ኣይኰነትን፣ ንዚርአ ነገር ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ፧ 25 ንዘይንርእዮ+ ተስፋ እንተ ጌርና ግና፡+ ብተጻዋርነት ተሃንጢና ኢና እንጽበዮ።+ 26 ከምኡ ድማ፡ እቲ መንፈስ እውን ንድኻምና ይድግፎ እዩ፣+ ክንጽሊ ኼድልየና ኸሎስ፡ እንታይ ክንብል ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፣ እቲ መንፈስ ባዕሉ ግና ብዘይተዘርበ እህህታ ገይሩ ይልምነልና እዩ። 27 ንሱ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ምእንቲ ቕዱሳት ይልምን እዩ እሞ፡ እቲ ልቢ ዚምርምር፡+ ሓሳብ እቲ መንፈስ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። 28 ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ፡ ማለት ነቶም ከም ዕላማኡ እተጸውዑ፡ ንጽቡቖም ኢሉ ንዅሉ ግብሩ ኸም ዜዋድዶ፡ ንፈልጥ ኢና፣+ 29 ምኽንያቱ፡ ወዱ ኻብ መንጎ ብዙሓት ኣሕዋት+ በዅሪ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡+ ነቶም ቅድም ዝፈለጦም፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ እውን ኣቐዲሙ መዲብዎም እዩ።+ 30 እቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም ከኣ፡+ እቶም ዝጸውዖም እዮም፣+ እቶም ዝጸውዖም ድማ፡ እቶም ዘጽደቖም እዮም።+ እቶም ዘጽደቖም እውን፡ እቶም ዘኽበሮም እዮም።+ 31 ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ደኣ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧+ 32 ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ኻብ ሃቦ እምበር፡+ ካብ ዘይነሓፎ፡ ስለምንታይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ብለውሃት ዘይህበና፧ 33 ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ ዚኸስሶም መን እዩ፧+ ኣምላኽ እዩ ዜጽድቖም።+ 34 እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ እቲ ዝሞተ፡ እኳ ደኣስ ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ+ እውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ፡ ክርስቶስ የሱስ እዩ።+ 35 ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧+ ጸበባዶ፡ ጭንቂዶ፡ መስጐጕቲዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ሓደጋዶ፡ ወይስ ሰይፊ፧+ 36 ከምቲ፡ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ እውን ንቝጸር ኣለና” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 37 እኳ ደኣስ፡ ኣብ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ፡ በቲ ዘፍቀረና ምሉእ ብምሉእ ንስዕር ኢና።+ 38 ከመይሲ፡ ሞት ኰነ፡ ህይወት ኰነ፡ መላእኽቲ ዀኑ፡ መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ ሓይልታት ኰነ፡+ 39 ልዕል ዝበለ ዀነ፡ ትሕት ዝበለ ዀነ፡ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ። 11 እምበኣር ክሓትት፦ ኣምላኽ ንህዝቡ ደርብይዎ ድዩ፧+ ያእ ኣይፋሉን! ከመይሲ፡ ኣነ እውን እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ነገድ ብንያም እየ። 2 ኣምላኽ ነቲ ቕድም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን።+ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ኤልያስ ንእስራኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝጠርዓሉ እዋን፡ እንታይ ከም ዚብልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 3 “የሆዋ፡* ንነብያትካ ቐቲሎም፡ መሰውኢታትካ እውን ኣፍሪሶም እዮም፣ ኣነ በይነይ ከኣ እየ ተሪፈ ዘለኹ፣ ንህይወተይ* ድማ ይደልይዋ ኣለዉ።”+ "4 መለኮታዊ ምላሽከ እንታይ ኢልዎ፧ “ንበዓል ዘይተምበርከኹ 7,000 ሰብኡት ንርእሰይ ኣትሪፈ ኣለኹ።”+" 5 እምበኣር፡ ኣብዚ እዋን እዚ እውን በዚ ኸምዚ ብጸጋ እተሓርዩ ተረፍ ኣለዉ።+ 6 ብጸጋ ኻብ ዚኸውን፡+ ካብ ግብሪ ኣይኰነን፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ጸጋ፡ ጸጋ ኣይምዀነን። 7 እሞኸ ደኣ፧ እቲ እስራኤል ኣጸቢቑ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፣ እቶም ሕሩያት ግና ረኺቦምዎ።+ እቶም ዝተረፉ ልቦም ደንዚዙ፣+ 8 ከምቲ፡ “ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖም እውን ከይሰምዓስ፡+ ኣምላኽ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ሂብዎም”+ ዚብል እተጻሕፈ እዩ። 9 ዳዊት እውን፡ “መኣዶም መፈንጠራን መጻወድያን መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም። 10 ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፡ እንግድዓኦም ከኣ ወትሩ ኣጐብጥ” ይብል እዩ።+ 11 እምበኣር ክሓትት፦ ተዓንቂፎምዶ ጠሪሶም ወዲቖም እዮም፧ ያእ ኣይፋሎምን! ግናኸ፡ ምእንቲ ኪቐንኡስ፡ ብስሕታኖም ንኣህዛብ ድሕነት ኰይኑሎም።+ 12 እቲ ስሕታኖም ንዓለም ሃብቲ ኻብ ኰነ፡ እቲ ጕድለቶም እውን ንኣህዛብ ሃብቲ ኻብ ኰነ፡+ ምልኣቶም ደኣ ኽንደይ ዘይበልጽ! 13 ንዓኻትኩም ንኣህዛብ እብለኩም ኣለኹ። ንኣህዛብ ሃዋርያኦም ብምዃነይ፡+ ኣገልግሎተይ አኽብር* እየ፣+ 14 እዚ ድማ ምናልባት ንህዝበይ* እንተ ኣቕናእክዎም፡ ገለ ኻባታቶም እውን እንተ ኣድሓንኩ ኢለ እየ። 15 ከመይሲ፡ ምስ ደርበዮም፡+ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኰነስ፡ ምስ ተቐበሎም ደኣ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት እምበር፡ ካልእ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ 16 እቲ ኸም በዅራት እተወስደ ኽፋል እቲ ብሑቝ ቅዱስ እንተ ዀይኑ፡ ብምሉኡ እውን ቅዱስ እዩ፣ እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ጨናፍሩ እውን ቅዱስ እዩ። 17 ግናኸ፡ ገለ ኻብቶም ጨናፍር እንተ ተሰይሮም፡ ንስኻ ድማ ኣውልዕ በረኻ ኽነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተዳቒልካ፡ ተኻፋሊ እቲ ማራ ሱር ኣውልዕ ድማ እንተ ዄንካ፡ 18 ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ።* እንተ ተዓቢኻ* ግና፡+ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱርሲ ንስኻ ኣይጾርካዮን። 19 እምበኣር፡ “ኣነ ምእንቲ ኽዳቐልሲ ጨናፍር ተሰይሮም” ክትብል ኢኻ።+ 20 ሕራይ! ንሳቶም ብዘይምእማኖም ተሰይሮም፣+ ንስኻ ግና ብእምነት ኢኻ ደው ኢልካ ዘለኻ።+ ፍራህ ደኣ እምበር፡ ኣይትተዓበ። 21 ኣምላኽ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝዀኑ ኻብ ዘይነሓፎምሲ፡ ንዓኻ እውን ኣይኪንሕፈካን እዩ። 22 እምበኣር፡ ለውሃትን+ ጭከናን ኣምላኽ ተመልከት። ኣብቶም ዝወደቑ ጭከና ኣሎ፣+ ንዓኻ ግና፡ ኣብ ለውሃቱ እንተ ጸኒዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ ኣሎካ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ንስኻ እውን ክትቍረጽ ኢኻ። 23 ንሳቶም እውን ኣብቲ ዘይምእማኖም ዘይጸንዑ እንተ ዀይኖም፡ ኣምላኽ መሊሱ ኼዳቕሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኪዳቐሉ እዮም።+ 24 ከመይሲ፡ ንስኻ ኻብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቘሪጽካ፡ ብዘይባህርያዊ መገዲ ኣብታ ኣውልዕ ሕርሻ ኻብ ተዳቐልካስ፡ እዞም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ ግዳ ኽንደይ ኣብታ ኣውልዖም መሊሶም ዘይዳቐሉ! 25 ኣሕዋተየ፡ ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ምእንቲ ኸይመስለኩምሲ፡ ብዛዕባ እዚ ቕዱስ ምስጢር ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይደልን እየ፦+ ምሉእ ቍጽሪ ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ኣብ እስራኤል ብኸፊል ድንዛዘ ልቢ ዀይኑ ኣሎ፣ 26 በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኵሉ እስራኤል+ ኪድሕን እዩ። ከምቲ ኸምዚ ዚብል እተጻሕፈ እዩ፦ “መናገፊ* ኻብ ጽዮን ኪመጽእ፡+ ካብ ያእቆብ ከኣ እከይ ኬርሕቕ እዩ። 27 ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ፡+ እዚ ምሳታቶም ዝገብሮ ኺዳን ኪኸውን እዩ።”+ 28 በቲ ብስራት፡ ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፣ በቲ ሕርያ ኣምላኽ ግና፡ ሳላ ኣቦታቶም ፍቑራት እዮም።+ 29 ውህበትን ጽውዓን ኣምላኽሲ፡ ንሱ ዚጥዓሰሉ ኣይኰነን። 30 ከምቲ ንስኻትኩም ሓደ እዋን ንኣምላኽ ዘይእዙዛት ዝነበርኩም፡+ ሕጂ ግና ሳላ ዘይተኣዛዝነቶም+ እተመሓርኩም፡+ 31 ከምኡ ድማ ንሳቶም ሕጂ በቲ ንስኻትኩም እተመሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሓሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። 32 ኣምላኽ ንዅላቶም ምእንቲ ኺምሕሮምሲ፡+ ንዅላቶም ኣብ ዘይምእዛዝ ዓጽይዎም ኣሎ።+ 33 ኣየወ፡ መዓሙቝ ሃብትን ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ! ፍርዱ ኽንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ፡ መገዱ እውን ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ ኰን እዩ! 34 ከመይሲ፡ “ሓሳብ የሆዋ* ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ኣማኻሪኡ ዚኸውን፧”+ 35 ወይስ፡ “ምእንቲ ኺፍደ፡ ቅድም ዝሃቦ መን እዩ፧”+ 36 ምኽንያቱ፡ ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንዕኡን እዩ። ንዕኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 2 ስለዚ፡ ኣታ ሰብ፡ መንነትካ ብዘየገድስ፡+ እንተ ፈሪድካ፡ እተመኻንዮ የብልካን፣ ከመይሲ፡ ኣታ እትፈርድ፡ ንስኻ እውን ከምኡ ስለ እትገብር፡ ንኻልእ ክትፈርድ ከለኻ፡ ንርእስኻ ትዅንን ኣለኻ።+ 2 ኣብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ዚወርድ ፍርዲ ኣምላኽሲ ምስ ሓቂ ኸም ዚሳነ ንፈልጥ ኢና። 3 ኣታ ሰብ፡ ኣብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ኽትፈርድ ከለኻስ፡ ንስኻ ኻብ ፍርዲ ኣምላኽ እተምልጥዶ ይመስለካ ኣሎ፧ 4 ወይስ ኣምላኽ ብለውሃቱ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ይፍትን ከም ዘሎ ሰኣን ምፍላጥካስ፡+ ሃብቲ ለውሃቱን+ ተጻዋርነቱን+ ዓቕሉንዶ+ ትንዕቕ ኣለኻ፧ 5 ግናኸ፡ ብትርኻን በቲ ዘይንሳሕ ልብኻን፡ ነቲ ብመዓልቲ ቝጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቍጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣለኻ።+ 6 ንሱ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ፦+ 7 ነቶም ብተጻዋርነት ሰናይ እናገበሩ ግርማን ክብርን ዘይምሕላፍን+ ዚደልዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት፣ 8 ነቶም ነግራማትን ንዓመጻ እናተኣዘዙ ንሓቂ ዘይእዘዙን ግና ቍጥዓን መዓትን።+ 9 እከይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ሰብ፡* ጸበባን ጭንቅን ኪወርዶ እዩ፣ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡ ከምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ፣ 10 ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና፡ ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሃቦ እዩ፣ ቅድም ንኣይሁዳዊ፡+ ከምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ።+ 11 ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ የልቦን።+ 12 ኵሎም እቶም ብዘይ ሕጊ ዝሓጥኡስ፡ ብዘይ ሕጊ ኺጠፍኡ እዮም፣+ ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝሓጥኡ ግና፡ ብሕጊ ኺፍረዱ እዮም።+ 13 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽሲ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ* እምበር፡ እቶም ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን።+ 14 እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ ብባህርዮም ነቲ ሕጊ ኺገብርዎ ኸለዉ፡ ንሳቶም ሕጊ ዘይብሎም ክነሶም፡+ ንርእሶም ሕጊ እዮም። 15 ሕልናኦም ምሳታቶም ኰይኑ እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም እውን እናኸሰሶም ወይ እናኣመኻነየሎም፡ እቲ ሕጊ ዚሓትቶ ግብሪ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ። 16 እዚ፡ ከምቲ ኣነ ዘበስሮ ብስራት፡ በታ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ንምስጢራት ሰብ ዚፈርደላ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።+ 17 ንስኻ ብስም ኣይሁዳዊ እንተ ዄንካ፡+ ብሕጊ ኸኣ እንተ ተኣሚንካ፡ ብኣምላኽ ድማ እንተ ተመኪሕካ፡ 18 ፍቓዱ ኸኣ እንተ ፈሊጥካ፡ ካብ ሕጊ ስለ እተመሃርካ* እውን እቲ ብሉጽ እንተ ኣለሊኻ፡+ 19 መራሕ ዕዉራትን ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃንን ምዃንካ ድማ እንተ ኣሚንካ፡ 20 ኣራሚ ዓያሹን መምህር ቈልዑን ምዃንካ ኸኣ እንተ ኣሚንካ፡ ኣብ ሕጊ እውን ቅርጺ ፍልጠትን ሓቅን ተስተውዕል እንተ ዄንካ፡— 21 ግናኸ፡ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራንዶ፧+ ኣታ፡ “ኣይትስረቕ”+ ኢልካ እትሰብኽ፡ ትሰርቕዶ፧ 22 ኣታ፡ “ኣይትዘሙ”+ እትብል፡ ትዝሙዶ፧ ኣታ ንጣኦታት እትፍንፍን፡ ካብ ኣብያተ መቕደስ ትሰርቕዶ፧ 23 ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ንኣምላኽ ተሕስሮዶ፧ 24 ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎስ፡ “ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎ።”+ 25 ግዝረትሲ+ ሕጊ እንተ ሓሊኻ ጥራይ እዩ ዚጠቅም፣+ ጠሓስ ሕጊ እንተ ዄንካ ግና፡ ግዝረትካ ዘይግዝረት እዩ ዚኸውን። 26 እምበኣር፡ ሓደ ዘይግዙር+ ነቲ ብሕጊ ዚድለ ስርዓታት ጽድቂ እንተ ሓልይዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩ ኸም ግዝረት ኰይኑዶ ኣይቍጸረሉን እዩ፧+ 27 እቲ ብስጋ ዘይተገዝረ፡ ነቲ ሕጊ ብምፍጻሙ፡ ንዓኻ፡ ጽሑፍ ሕግን ግዝረትን ዘሎካ ኽነስኻ ጠሓስ ሕጊ ንዝዀንካ፡ ኪፈርደካ እዩ። 28 ከመይሲ፡ እቲ ብደጊኡ ኣይሁዳዊ፡ ኣይሁዳዊ ኣይኰነን፣+ እቲ ብደገ ኣብ ስጋ ዚግበር ግዝረት እውን፡ ግዝረት ኣይኰነን።+ 29 እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ግና፡ ኣይሁዳዊ እዩ፣+ ግዝረቱ ኸኣ ግዝረት ልቢ+ ብመንፈስ እዩ እምበር፡ ብጽሑፍ ሕጊ ኣይኰነን።+ ውዳሰኡ እውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።+ 4 እምበኣር፡ እቲ ብስጋ ኣቦና ዝዀነ ኣብርሃም እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና፧ 2 ኣብርሃም ሳላ ግብሪ ጸዲቑ* እንተ ዚኸውንሲ፡ መመክሒ ምረኸበ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይኰነን። 3 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ኣብርሃም ብየሆዋ* ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ።”+ 4 ንሓደ ዚገብር ሰብ፡ ዓስቡ ኸም ጸጋ ዘይኰነስ፡ ከም ዚእውዶ ዕዳ እዩ ዚቝጸረሉ። 5 ንሓደ ዘይገብር፡ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ደኣ ዚኣምን ሰብ ግና፡ እምነቱ ኸም ጽድቂ እያ እትቝጸረሉ።+ 6 ከምቲ ዳዊት ብዛዕባ ሓጐስ እቲ ኣምላኽ ብዘይ ግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ዝበሎ እዩ፦ 7 “እቶም ጥሕሰቶም እተሓድገሎም፡ ሓጢኣቶም እውን እተኸድነሎም፡* ሕጉሳት እዮም፣ 8 የሆዋ* ሓጢኣቱ ዘይቈጽረሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።”+ 9 እዛ ሓጐስ እዚኣ ደኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ፡ ወይስ ንዘይግዙራት እውን፧+ ከመይሲ፡ “ንኣብርሃም፡ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ” ንብል ኢና።+ 10 መዓስከ እያ እተቘጽረትሉ፧ ምስ ተገዝረ ድያ፡ ወይስ ከይተገዝረ፧ ምስ ተገዝረ ዘይኰነስ፡ ከይተገዝረ እያ። 11 ንዅሎም እቶም ከይተገዝሩ ዚኣምኑ እሞ፡ እዚ እውን ጽድቂ ዚቝጸረሎም ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውን፡+ በታ ኸይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ኣቢሉ፡ ምልክት፡+—ማለት ግዝረት፡—ከም ማሕተም* ጽድቂ ገይሩ ተቐቢሉ እዩ፣ 12 ኣቦ ግዙራት ዘርኢ፡ ማለት ነቶም ዚግዘሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣስኣሰር እታ ኣቦና ኣብርሃም+ ከይተገዝረ ኸሎ ዝነበረቶ እምነት ስዒቦም ብስርዓት ዚመላለሱ እውን ኣቦኦም ኰይኑ እዩ። 13 ከመይሲ፡ ኣብርሃም ወይስ ዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ኪኸውን እተተስፈወ፡+ ብሕጊ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ብዚርከብ ጽድቂ እዩ።+ 14 እቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ወረስቲ እንተ ዚዀኑስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ ተስፋ እውን ባዶ ምዀነት። 15 እቲ ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዜምጽእ፣+ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፡ ኣብኡ ኣበሳ የልቦን።+ 16 ስለዚ፡ እታ ተስፋ ሳላ ጸጋ ምእንቲ ኽትከውን፡+ ብእምነት እያ ዀይና፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም ዘርኡ፡+ ማለት ነቶም ንሕጊ ዚስዕቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ንእምነት እቲ ኣቦ ዅላትና ዝዀነ ኣብርሃም+ ዚስዕቡ እውን ምእንቲ ኽትጸንዕ እዩ። 17 (እዚ ድማ ከምቲ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣለኹ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።)+ ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ህያው ዚገብርን ንዘየሎ ኸም ዘሎ ገይሩ ዚጽውዕን ኣምላኽ ከኣ ኰይኑ። 18 ከምቲ፡ “ዘርእኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ” ዚብል፡+ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ምእንቲ ኪኸውን፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ብተስፋ ኣሚኑ። 19 ብእምነት እኳ እንተ ዘይደኸመ፡ (ኣስታት ወዲ 100 ዓመት ስለ ዝነበረ፡)+ ብዛዕባ እቲ ኸም ምዉት ዝነበረ ሰብነቱን ብዛዕባ ምዉት* ማሕጸን ሳራን ኣስተብሂሉ።+ 20 ግናኸ፡ ሳላ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ብእምነቱ ደኣ እዩ በርቲዑ እምበር፡ ብዘይምእማን ኣይተወላወለን፣ 21 ነቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል እውን፡ ኣጸቢቑ ኣሚኑ ነይሩ።+ 22 ስለዚ ድማ፡ “ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ።”+ 23 እታ “ተቘጽረሉ” እትብል ግና፡ ምእንታኡ ጥራይ ኣይኰነትን ተጻሒፋ፣+ 24 የግዳስ፡ ምእንታና፡ ምእንቲ እቶም ዚቝጸረልና እውን እያ፣ ምኽንያቱ፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ንኣምን ኢና።+ 25 የሱስ ምእንቲ ኣበሳና ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ፡+ ምእንቲ ኽንጸድቕ እውን ተንሲኡ እዩ።+ 16 ነታ ኣገልጋሊት እታ ኣብ ክንክሬኣ+ ዘላ ጉባኤ ዝዀነት ፌቤን ሓብትና አፋልጠኩም* ኣለኹ፣ 2 ንሳ ንባዕላ እውን ንብዙሓትን ንዓይ ንርእሰይን ትረድእ ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳት ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፣ ብዜድልያ ዘበለ እውን ደግፍዋ።+ 3 ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ ዝዀኑ ጵርስካን ኣኪላስን+ ሰላም በሉለይ፣ 4 ንሳቶም ኣብ ክንዳይ* ክሳዶም ኣሕሊፎም እዮም፣+ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩስ፡ ኵለን ጉባኤታት እውን የመስግናኦም እየን። 5 ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ጉባኤ እውን ሰላም በሉለይ።+ ነቲ ንክርስቶስ በዅሪ እስያ ዝዀነ ኤጴኔጦስ እቲ ፍቑረይ፡ ሰላም በሉለይ። 6 ነታ ብዙሕ ዝጸዓረትልኩም ማርያም ሰላም በሉለይ። 7 ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት ዝዀኑ፡ ቅድመይ እውን ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎም ኣዝማደይን+ መተኣስርተይን ዝዀኑ ኣንድሮኒቆስን ዩንያን ሰላም በሉለይ። 8 ንኣምጵልያጦስ እቲ ብጐይታ ፍቑረይ ሰላም በሉለይ። 9 ንኡርባኖስ እቲ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ እቲ ፍቑረይን ሰላም በሉለይ። 10 ነቲ ብክርስቶስ ብቕዓቱ ዘመስከረ ኣጵሌስ ሰላም በሉለይ። ነቶም ካብ ቤተ ሰብ ኣርስጦቡሎስ ዘበሉ ሰላም በሉለይ። 11 ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉለይ። ነቶም ብጐይታ ዝዀኑ ኻብ ቤተ ሰብ ናርቂሶስ ዘበሉ ሰላም በሉለይ። 12 ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዓረት ፍቕርቲ ጰርሲስ ሰላም በሉለይ። 13 ነቲ ብጐይታ እተሓርየ ሩፎስን ነታ ንዓይ እውን ኣደይ ዝዀነት ኣዲኡን ሰላም በሉለይ። 14 ንኣሰንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉለይ። 15 ንፊሎሎጎስን ዩልያን፡ ንኔርዮስን ሓብቱን፡ ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳትን ሰላም በሉለይ። 16 ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። ኵለን ጉባኤታት ክርስቶስ እውን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። 17 ኣሕዋተየ፡ ነቶም ኣንጻር እቲ እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ፍልልይን መዐንቀፍን ዚፈጥሩ ኽትጥንቀቑሎም እምሕጸነኩም ኣለኹ፣ ካባታቶም ርሓቑ።+ 18 ከምዚኣቶም ዝበሉስ ንትምኒቶም* ደኣ እምበር፡ ንጐይታና ክርስቶስ ኣይግዝእዎን እዮም፣ ብጥዑም ዘረባን ብሽሕጣንን ልቢ ገርህታት የስሕቱ እዮም። 19 ተኣዛዝነትኩም ብዅሉ ተፈሊጡ እዩ፣ ስለዚ ድማ ብኣኻትኩም እሕጐስ እየ። ግናኸ፡ ንሰናይ ብልህታት፡* ንእከይ ግና ገርህታት ክትኰኑ እደሊ ኣለኹ።+ 20 እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኩም ኪጭፍልቖ እዩ።+ ጸጋ ጐይታና የሱስ ምሳኻትኩም ይኹን። 21 ጢሞቴዎስ እቲ መዓይይተይ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፣ ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ+ እውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22 ነዛ ደብዳበ እዚኣ ዝጸሓፍክዋ ኣነ ጠርጥዮስ፡ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ። 23 እቲ ንዓይን ንዅላ እታ ጉባኤን ብግሽነት እተቐበለ ጋይዮስ+ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኤራስጦስ እቲ ተሓዝ መዝገብ እታ ኸተማን* ሓዉ ቁኣርጦስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 24 *—— 25 ነቲ በቲ ኣነ ዘበስሮ ብስራትን ስብከት የሱስ ክርስቶስን ኬጽንዓኩም ዚኽእል፡ ክብሪ ይኹኖ። እቲ ስብከት እቲ ኸኣ፡ ምስ ግልጸት እቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ስቕ ተባሂሉ ዝጸንሐ ቕዱስ ምስጢር+ ዚሰማማዕ ኰይኑ፡ 26 ሕጂ ግና ብእምነት ተኣዛዝነት ምእንቲ ኺህሉ፡ ከም ትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ብትንቢት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ተጋሂዱን* ተፈሊጡን ኣሎ። 27 ነቲ በይኑ ጥበበኛ ዝዀነ ኣምላኽ፡+ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 6 እምበኣር፡ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ብሓጢኣትዶ ንቐጽል፧ 2 ያእ ኣይፋልናን! ንሓጢኣት ምዉታት ካብ ኰንና፡+ ከመይ ኢልና ደኣ ደጊም ብእኡ ኽንነብር፧+ 3 ወይስ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ኪህልወና እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና፡+ ተኻፈልቲ ሞቱ ኽንከውን ከም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 4 እምበኣር፡ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ንሕና እውን ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡+ ብጥምቀትና ናብ ሞቱ ምስኡ ተቐቢርና ኢና።+ 5 ብኣምሳል ሞቱ ምስኡ እንተ ሓቢርና፡+ ብኣምሳል ትንሳኤኡ እውን ብርግጽ ምስኡ ኽንሓብር ኢና።+ 6 ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡+ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ድማ ምእንቲ ኸይመልከና፡+ ኣረጊት ስብእናና ምስኡ ኸም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።+ 7 እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ* እዩ። 8 ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና ኸኣ፡ ምስኡ ብህይወት ከም እንነብር እውን ንኣምን ኢና። 9 እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ+ ደጊም ከም ዘይመውትሲ ንፈልጥ ኢና፣+ ደጊም ሞት ኣይመልኮን እዩ። 10 ከመይሲ፡ ብሞቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንሓጢኣት* እዩ ሞይቱ፣+ ብህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። 11 ከምኡ እውን ንስኻትኩም፡ ንሓጢኣት ምዉታት ከም ዝዀንኩም፡ ንኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ህያዋን ከም ዝዀንኩም ጌርኩም ርእስኹም ቍጸሩ።+ 12 እምበኣር፡ ንትምኒት ሰብነትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፡ ሓጢኣት ኣብቲ መዋቲ ሰብነትኩም ኣይንገስ።+ 13 ሰብነትኩም* ኣጽዋር ዓመጻ ጌርኩም ንሓጢኣት ኣይተቕርቡ፣ የግዳስ፡ ርእስኹም ካብ ምዉታት ህያው ከም ዝዀነት ጌርኩም፡ ሰብነትኩም* እውን ኣጽዋር ጽድቂ ጌርኩም ንኣምላኽ ኣቕርቡ።+ 14 ኣብ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡+ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡+ ሓጢኣት ኣይምለኽኩም። 15 እሞኸ ደኣ፧ ኣብ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧+ ያእ ኣይፋልናን! 16 ነቲ ኽትእዘዝዎ ኸም ባሮት ጌርኩም ርእስኹም እተቕርቡሉ ዘበለ፡ ስለ እትእዘዝዎ፡ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ፡+ ናብ ሞት፡+ ንተኣዛዝነት እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ናብ ጽድቂ እዩ ዚመርሓኩም። 17 ግናኸ፡ ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ነቲ እተዋህበኩም ምሳሌ ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩምዎ፡ ኣምላኽ ይመስገን። 18 እወ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡+ ባሮት ጽድቂ ዄንኩም ኢኹም።+ 19 ብሰንኪ ድኻም ስጋኹም ብኣዘራርባ ሰብ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ከምቲ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ጥሕሰት ሕጊ ዚመርሕ ርኽሰትን ጥሕሰት ሕግን ከም ባሮት ጌርኩም ዘቕረብኩም፡ ሕጂ ኸኣ ኣካላትኩም ነቲ ናብ ቅድስና ዚመርሕ ጽድቂ ኸም ባሮት ጌርኩም ኣቕርቡ።+ 20 ባሮት ሓጢኣት ከለኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ሓራ ኢኹም ኔርኩም። 21 እሞ ደኣ በታ ግዜ እቲኣ እንታይ ፍረ ተፍርዩ ኔርኩም፧ መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝነበረ፡ ሕጂ እትሓፍሩሉ ኢኹም ተፍርዩ ኔርኩም።+ 22 ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ባሮት ኣምላኽ እውን ስለ ዝዀንኩም፡ ብመገዲ ቕድስና ተፍርዩ ኣለኹም፣+ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።+ 23 ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፣+ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት ግና፡+ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።+ 10 ኣሕዋተየ፡ ሃረርታ ልበይን ምእንታኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ምህለላይንሲ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ እዩ።+ 2 ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡+ ኣነ እምስክረሎም እየ። 3 ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም፡+ ጽድቂ ርእሶም እውን ኪስርቱ ብምድላዮም፡+ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝእዋን።+ 4 ዚኣምን ዘበለ ጽድቂ ምእንቲ ኺረክብሲ፡+ ክርስቶስ መወዳእታ ሕጊ እዩ።+ 5 ከመይሲ፡ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ብሕጊ ዚርከብ ጽድቂ፡ “እቲ ዚገብሮ ሰብ፡ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።+ 6 እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፦ “ብልብኻ ኸምዚ ኣይትበል፦+ ‘መን ናብ ሰማይ ኪድይብ እዩ፧’+ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፣ 7 ወይስ፡ ‘መን ናብ መዓሙቝ ኪወርድ እዩ፧’+ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬምጽኦ።” 8 ግናኸ እንታይ እዩ ዚብል፧ “እቲ ቓል ቀረባኻ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ”፣+ ማለት እቲ እንሰብኮ “ቓል” እምነት። 9 ብኣፍካ እቲ ቓል፡ ማለት የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነጊርካ፡+ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እውን ብልብኻ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 10 ከመይሲ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑ+ እውን ይድሕን እዩ። 11 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ፡ “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይኪሓፍርን እዩ” ይብል እዩ።+ 12 ምኽንያቱ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ ሃብታም* ዝዀነ ሓደ ጐይታ እዩ ዘሎ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ግሪኻውን ፍልልይ የልቦን።+ 13 ማለት፡ “ስም የሆዋ* ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።”+ 14 ግናኸ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ፡ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ ኸመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፧ ብዘይ ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ እዮም፧ 15 ከምቲ፡ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቓት እየን!” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ከይተላእኩኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰብኩ እዮም፧+ 16 ግናኸ፡ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ፡* በቲ ኻባና እተሰምዐ* መን ኣሚኑ፧” ይብል እዩ እሞ፡+ ኵላቶም ኣይኰኑን ነቲ ብስራት እተኣዘዙ። 17 እምበኣር፡ እምነት ካብ ምስማዕ እያ።+ ምስማዕ እውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። 18 ኣነ ግና ክሓትት፦ ኣይሰምዑን ድዮም፧ እኳ ደኣስ፡ “ደሃዮም ናብ ኵላ ምድሪ፡ መልእኽቶም ድማ ክሳብ ወሰናት ዓለም ወጺኡ።”+ 19 ኣነ ግና ክሓትት፦ እስራኤልከ ኣይፈለጠን ድዩ፧+ ቅድም ሙሴ፡ “ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ብዓሻ ህዝቢ እውን ከቘጥዓኩም እየ” ይብል እዩ።+ 20 ኢሳይያስ እውን ደፊሩ፡ “ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኺበሎም፣+ ነቶም ዘይሓተቱለይ እውን ተጋሂደሎም” ይብል እዩ።+ 21 ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ “ናብ ዘይእዙዝን ተሪርን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጊሐሉ” እዩ ዚብል።+ 14 ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ ተቐበልዎ እምበር፡+ እተፈልየ ርእይቶታት* ኣይትፍረዱ። 2 ኵሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን ኣሎ፣ እቲ ድኹም ግና ኣሕምልቲ ጥራይ እዩ ዚበልዕ። 3 ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ፡ እቲ ዘይበልዕ እውን ነቲ ዚበልዕ ኣይፍረዶ።+ 4 ጊልያ ኻልእ እትፈርድሲ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧+ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይ ዚወድቕ።+ የሆዋ* ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደውሲ ኺብል እዩ። 5 እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይርእያ፣+ እቲ ሓደ ኸኣ ንዅላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ ይርእየን፣+ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ሓሳቡ ኣጸቢቑ ይእመነሉ። 6 እቲ ነታ መዓልቲ ዚሕልዋ፡ ንየሆዋ* ኢሉ እዩ ዚሕልዋ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ* ኢሉ እዩ ዚበልዕ፣+ እቲ ዘይበልዕ እውን፡ ንየሆዋ* ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ እዩ።+ 7 ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ጥራይ ኢሉ ዚነብር የልቦን፣+ ንርእሱ ጥራይ ኢሉ እውን ዚመውት ሓደ እኳ የልቦን። 8 ከመይሲ፡ ብህይወት እንተ ነቢርና፡ ንየሆዋ* ኢልና ኢና እንነብር፣+ እንተ ሞይትና ኸኣ፡ ንየሆዋ* ኢልና ኢና እንመውት። እምበኣር፡ ብህይወት እንተ ነቢርና ወይስ እንተ ሞይትና፡ ናይ የሆዋ* ኢና።+ 9 ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።+ 10 ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና እሞ፡+ ስለምንታይ ንሓውካ እትፈርድ፧+ ወይስ ስለምንታይ ንሓውካ እትንዕቕ፧ 11 ከመይሲ፡ “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡’+ ይብል የሆዋ፡* ‘ኵሉ ብርኪ ኺምብርከኸለይ፡ ኵሉ ልሳን እውን ኣምላኽ ምዃነይ ኪእመን እዩ’” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ 12 እምበኣርሲ፡ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።+ 13 እምበኣር፡ ሓደ እኳ ንሓዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ ይወስን እምበር፡+ ደጊም ንሓድሕድና ኣይንፋረድ።+ 14 ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንዕኡ ርኹስ ይዀኖ እምበር፡ ብባዕሉ ርኹስ ዝዀነስ ገለ እኳ ኸም ዘየልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥን እኣምንን እየ።+ 15 ሓውካ ብብልዕኻ ይጕሂ እንተ ኣልዩ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትመላለስ ዘለኻ።+ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ፡ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ።+ 16 እምበኣር፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። 17 መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እምበር፡ ብልዕን መስተን ኣይኰነትን።+ 18 እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዚግዝኦስ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል እዩ፡ ንሰብ እውን ባህ የብል እዩ። 19 እምበኣርሲ፡ ደጊም ሰላም ዜስፍንን+ ንሓድሕድና ዚሃንጽን+ ነገር ንስዓብ። 20 ምእንቲ ብልዕስ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣይተፍርስ።+ ኵሉ ንጹህ እዩ፣ ሰብ በሊዑ ምስ ዜዐንቅፍ ግና፡ እዚ ጐዳኢ* እዩ።+ 21 ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ገለ እኳ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ዝሓሸ እዩ።+ 22 እታ ዘላትካ እምነት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትኹንካ። እቲ ብእተቐበሎ ገይሩ ንርእሱ ዘይፈርድ ሰብ ሕጉስ እዩ። 23 እቲ ዚጠራጠር ግና እንተ በሊዑ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፡ ኵኑን እዩ። ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት እዩ። 9 ብክርስቶስ ሓቂ እዛረብ ኣለኹ፣ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ፣ ከመይሲ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ። 2 ኣብ ልበይ ብዙሕ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣሎ። 3 ከመይሲ፡ ኣነ ንባዕለይ ምእንቲ ኣሕዋተይ፡ ማለት ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣዝማደይ፡ ከም ርጉም ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ፣ 4 ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም። ውሉድነትን+ ክብርን ኪዳናትን+ ምቕባል ሕግን+ ቅዱስ ኣገልግሎትን+ ተስፋታትን+ ናታቶም እዩ። 5 ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፣+ ክርስቶስ እውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ።+ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይወደስ። ኣሜን። 6 ግናኸ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ፡ እስራኤላውያን ማለት ኣይኰኑን።+ 7 ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ እውን፡ ኵላቶም ውሉዳት ኣይኰኑን፣+ የግዳስ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” እዩ ተባሂሉ።+ 8 ማለት፡ እቶም በቲ ተስፋ ውሉዳት ዝዀኑ ደኣ እዮም ከም ዘርኢ ዚቝጸሩ እምበር፡+ እቶም ብስጋ ውሉዳት ዝዀኑስ ውሉዳት ኣምላኽ ኣይኰኑን።+ 9 እቲ ቓል ተስፋስ ከምዚ እዩ ዚብል፦ “ከምዛ ግዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፣ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ።”+ 10 ሽዑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ርብቃ እውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ማናቱ ምስ ጠነሰት፡+ 11 ንሕርያ ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ፡ ካብቲ ጸዋዒ እምበር፡ ካብ ግብሪ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ እውን ከይገበሩ ኸለዉ፡ 12 “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ” ተባሂሉ እዩ ተነጊርዋ።+ 13 ከምቲ፡ “ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ ንኤሳው ግና ጸሊአዮ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 14 እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ ኣይፋልን!+ 15 ንሙሴስ፡ “ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝርሕርሓሉ እውን ክርሕርሓሉ እየ” ኢልዎ እዩ።+ 16 እምበኣርሲ፡ ኣብቲ ዚምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ኣብ ድሌት ወይ ጻዕሪ ሰብ* ኣይኰነን ዚምርኰስ።+ 17 እቲ ቕዱስ ጽሑፍሲ ንፈርኦን፡ “ሓይለይ ኣባኻ ምእንቲ ኸርኢ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣንቢረካ” ይብሎ እዩ።+ 18 እምበኣርሲ፡ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮ እውን ኪተርር ይሓድጎ።+ 19 ስለዚ፡ “ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እውን ዚነቅፍ፧ ንፍቓዱኸ መን ይቃወሞ፧” ክትብለኒ ኢኻ። 20 ኣታ ሰብ፡ ንኣምላኽ እትመላለሶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧+ ቅርጺዶ ንቐራጺኡ፡ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርካኒ፧” ይብሎ እዩ፧+ 21 ሰራሕ ካይላዶ ኻብ ሓደ ጸብሪ ገሊኡ ንኽብሪ፡ ገሊኡ እውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቕሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧+ 22 ኣምላኽ ቍጥዓኡ ኼርእን ሓይሉ ኼፍልጥን ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቕሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ዓቕሊ እንተ ጾሮምከ፧ 23 እዚ ኸኣ ነቶም ኣቐዲሙ ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት፡+ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም ኢሉ እንተ ዀነኸ፧ 24 ማለት፡ ንዓና ኻብ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣህዛብ እውን ንዝጸውዓና፡+ እዚ ኼፍልጠና ኢሉ እንተ ዀነኸ፧ 25 ከምቲ ኣብ ሆሴእ፡ “ነቲ ዘይህዝበይ፡+ ‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፣ ነታ ዘይፍቕርቲ እውን፡ ‘ፍቕርቲ’ ኽብላ እየ፣+ 26 ኣብታ፡ ‘ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን’ እተባህለትሎም ቦታ ድማ፡ ኣብኣ፡ ‘ደቂ ህያው ኣምላኽ’ ኪብሃሉ እዮም” ዚብሎ እዩ።+ 27 ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ይጭድር እዩ፦ “ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን።+ 28 ከመይሲ፡ የሆዋ* ኣብ ምድሪ ኺጸባጸብ እዩ፡ ኪውድኦን ኬሕጽሮን* ከኣ እዩ።”+ 29 ከምኡ ድማ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ፡ “የሆዋ* ጐይታ ሰራዊት ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ እውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።+ 30 እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ ኣህዛብ፡ ጽድቂ እኳ እንተ ዘይሰዓቡ፡ ናብቲ ጽድቂ በጺሖም እዮም፣+ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ፣+ 31 እስራኤል ግና ንጽድቂ ሕጊ እኳ እንተ ሰዓበ፡ ናብቲ ሕጊ ኣይበጽሐን። 32 ስለምንታይ፧ ብእምነት ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እዮም ስዒቦም። በቲ “እምኒ መዐንቀፊ” ተዓንቂፎም እዮም፣+ 33 ከምቲ፡ “እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ+ መዐንቀፍን ከውሒ መሐንኰልን አንብር ኣለኹ፣ ብእኡ ዚኣምን ግና ኣይኪሓፍርን እዩ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 13 ብዘይካ ብኣምላኽ ስልጣን የልቦን እሞ፡+ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን* ይገዝኣዮም፣+ እቶም ዘለዉ ሰበ ስልጣን* ከኣ ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ እዮም።+ 2 ስለዚ፡ እቲ ንብዓል ስልጣን ዚቃወም፡ ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ፣ እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ኣብ ርእሶም ፍርዲ ኼምጽኡ እዮም። 3 ከመይሲ፡ እቶም ገዛእቲ፡ ክፉእ ንዚገብሩ እምበር፡ ሰናይ ንዚገብሩ ኣየፍርሁን እዮም።+ ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ሰናይ ግበር፡+ ንሱ እውን ኪንእደካ እዩ፣ 4 ንሱስ ንሰናይካ ኢሉ ዝቘመ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ። ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ክፉእ ትገብር እንተ ኣሊኻ ግና፡ ፍራህ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብቶም ክፉእ ዚገብሩ፡ ቍጥዓ ንምግላጽ* ዚኸውን ፈዳይ ሕነ እዩ። 5 ስለዚ፡ ስለ ሕልና ኢልኩም እምበር፡ ስለ ቝጥዓ ኢልኩም ጥራይ ኣይኰነን ክትግዝኡ ዚግብኣኩም።+ 6 ምእንቲ እዚ ኸየብኰሩ ዜገልግሉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ* እዮም እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ግብሪ እትኸፍሉ ዘለኹም። 7 ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡+ ቀረጽ ንዚግብኦ ቐረጽ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡+ ክብሪ ንዚግብኦ ኽብሪ፡+ ንዅሉ ዘዚግብኦ ሃብዎ። 8 እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡+ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሓደ እኳ ገለ ዕዳ ኣይሃሉኹም።+ 9 እቲ፡ “ኣይትዘሙ፡+ ኣይትቕተል፡+ ኣይትስረቕ፡+ ኣይትተምነ”+ ዚብል ሕጊ፡ ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ”+ ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ። 10 ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን እያ፣+ እምበኣር፡ ፍቕሪ መፈጸምታ ሕጊ እያ።+ 11 ድሕነትና ኻብቲ ዝኣመንናሉ ግዜስ ሕጂ ይቐርብ እሞ፡ ድሮ ኻብ ድቃስ እትበራበሩላ ሰዓት ከም ዝኣኸለት፡+ እዋኑ ስለ እትፈልጥዎ፡ ከምኡ ግበሩ። 12 ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ እውን ቀሪባ እያ። እምበኣር፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና፡+ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።+ 13 ብፈንጠዝያን* ስኽራንን፡ ብብዕሉግ ጾታዊ ርክብን ንውርምናን፡*+ ብባእስን ቅንእን ዘይኰነስ፡+ ከም ብመዓልቲ ብኣደብ ንመላለስ።+ 14 ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡+ ትምኒት ስጋ ኸተርውዩ ኢልኩም ኣይትሃቅኑ።+ 5 እምበኣር፡ ሳላ እምነት ካብ ጸደቕና፡*+ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና፣*+ 2 ብእኡ ኸኣ ብእምነት ናብዚ ዘለናዮ ጸጋ፡ መእተዊ ረኺብና ኣለና፣+ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽ እውን ንተሓጐስ።* 3 በዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጸበባ እውን ንተሓጐስ፣*+ ምኽንያቱ፡ ጸበባስ ተጻዋርነት ከም ዜምጽእ ንፈልጥ ኢና፣+ 4 ተጻዋርነት ድማ እተፈተነ ብቕዓት፣+ እተፈተነ ብቕዓት እውን ተስፋ፣+ 5 ፍቕሪ ኣምላኽ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ ኸኣ፡+ እታ ተስፋ እቲኣ ኣይተሕፍርን እያ።+ 6 ገና ድኹማት ከለናስ፡+ ክርስቶስ ኣብ ምዱብ ግዜ ምእንቲ ሓጥኣን ሞይቱ እዩ። 7 ምእንቲ ጻድቕ ዚመውትሲ ዚርከብ ኣይመስልን፣ ምእንቲ ሕያዋይ ኪመውት ዚደፍር እኳ ምናልባት ኣይሰኣንን ይኸውን። 8 ግናኸ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ።+ 9 እምበኣር፡ ሕጂ ብደሙ ኻብ ጸደቕና፡+ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ ብእኡ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን!+ 10 ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ኻብ ተዓረቕናስ፡+ ምስ ተዓረቕና ደኣ ብህይወቱ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን! 11 እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና፡+ ብኣምላኽ እውን ንሕጐስ ኢና። 12 ስለዚ ኸኣ፡ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡+ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ+—። 13 ሕጊ ቕድሚ ምምጻኡስ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነይሩ እዩ፣ ሕጊ ኸየሎ ግና፡ ሓጢኣት ኣይቍጸርን እዩ።+ 14 ግናኸ፡ ሞት ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ፡ ኣብቶም ከም ኣበሳ ኣዳም ዘይሓጥኡ እውን ነጊሱ እዩ፣ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ኺመጽእ ዝነበሮ እዩ።+ 15 ግናኸ፡ እቲ ውህበት ከምቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ብኣበሳ ሓደ ሰብ ብዙሓት ካብ ሞቱ፡ ጸጋ ኣምላኽን በቲ ሓደ ሰብ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብጸጋ እተዋህበ ናጻ ውህበቱን ግዳ ኽንደይ ኣብ ብዙሓት ኣዝዩ ዘይዓዝዝ!*+ 16 እቲ ናጻ ውህበት ከምቲ ሓደ ዝገበሮ ሓጢኣት እውን ኣይኰነን።+ ድሕሪ ሓንቲ ኣበሳ ዝመጸ ፍርድስ ኵነኔ እዩ፣+ ድሕሪ ብዙሕ ኣበሳ ዝመጸ ውህበት ግና፡ ምጽዳቕ እዩ።+ 17 ከመይሲ፡ ብኣበሳ እቲ ሓደ፡ ሞት በቲ ሓደ ኻብ ነገሰ፡+ እቶም ብዙሕ ጸጋን ናጻ ውህበት ጽድቅን+ እተቐበሉ ግዳ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣዝዮም ዘይነግሱ!+ 18 እምበኣር፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ እተዀነነ፡+ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ፡* ኵሉ ዓይነት ሰብ+ ንህይወት ይጸድቕ ኣሎ።+ 19 ከመይሲ፡ ከምቲ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ዝዀኑ፡+ ከምኡ ድማ ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም።+ 20 ሕጊ ዝመጸስ፡ ኣበሳ ምእንቲ ኺዓዝዝ እዩ።+ ግናኸ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ፡ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዚዙ እዩ። 21 ስለምንታይ፧ ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝነገሰ፡+ ከምኡ ድማ ጸጋ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ጽድቂ ምእንቲ ኺነግስ እዩ።+ 15 ንሕና እቶም ብርቱዓት ዝዀንና፡ ንርእስና ባህ ከነብል ዘይኰነስ፡+ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር ይግብኣና እዩ።+ 2 ነፍሲ ወከፍና ንብጻዩ ኺሃንጾስ፡ ብሰናይ ባህ የብሎ።+ 3 ከመይሲ፡ ከምቲ፡ “ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ ኣባይ ወዲቑ” ዚብል እተጻሕፈ፡+ ክርስቶስ እኳ ንርእሱ ባህ ኣየበለን።+ 4 ብተጻዋርነትናን+ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡+ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።+ 5 እቲ ተጻዋርነትን መጸናንዕን ዚህብ ኣምላኽ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ንክርስቶስ የሱስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ይሃብኩም፣ 6 እዚ ድማ ሓቢርኩም+ ብሓደ ድምጺ፡* ንኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኸተኽብሩ እዩ። 7 ስለዚ፡ ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽ፡ ከምቲ ክርስቶስ እተቐበለና፡+ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ።+ 8 ከመይሲ፡ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ ኣገልጋሊ እቶም እተገዝሩ ኸም ዝዀነ እብለኩም ኣለኹ፣+ እዚ ኸኣ ነቲ ኣቦታቶም እተተስፈውዎ ተስፋታት ምእንቲ ኼጽንዖ፡+ 9 ኣህዛብ ድማ ንኣምላኽ ስለ ምሕረቱ ምእንቲ ኼመስግንዎ እዩ።+ ከምቲ፡ “ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክውድሰካ፡ ንስምካ እውን ውዳሰ ኽዝምር እየ” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 10 ከም ብሓድሽ እውን፡ “ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ” ይብል።+ 11 መሊሱ ኸኣ፡ “ኵልኹም ኣህዛብ፡ ንየሆዋ* ወድስዎ፣ ኵሎም ህዝብታት እውን ይወድስዎ” ይብል።+ 12 ከም ብሓድሽ ድማ ኢሳይያስ፡ “እቲ ሱር እሴይ፡+ እቲ ንኣህዛብ ኪገዝእ ዚትንስእ ከኣ ኪመጽእ እዩ፣+ ኣህዛብ ኣብኡ ተስፋ ኺገብሩ እዮም”+ ይብል። 13 ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተስፋኹም ምእንቲ ኽትዓዝዝሲ፡ እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎኩም እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኩም።+ 14 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ሰናይ* ከም ዝመልኣኩም፡ ብዅሉ ፍልጠት ድማ ከም እተመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም እውን ክትማዓዓዱ* ኸም እትኽእሉ፡ ኣነ ባዕለይ እኣምን እየ። 15 ግናኸ፡ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፡ ብዛዕባ ገለ ነገራት ኣዝየ ደፊረ ጽሒፈልኩም ኣለኹ፣ ከምኡ ዝገበርኩ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ጸጋ ስለ እተዋህበኒ እየ፣ 16 እዚ ኸኣ ንኣህዛብ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ* ምእንቲ ክኸውን እዩ ተዋሂቡኒ።+ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ቅቡል መስዋእቲ፡ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሱ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣብቲ ቕዱስ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተጸሚደ ኣለኹ።+ 17 እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዚምልከት ነገራት፡ ብክርስቶስ የሱስ ዝፍስሃሉ ኣሎኒ። 18 ብዘይካ እቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኺእዘዙ ኢሉ ክርስቶስ ብኣይ ኣቢሉ ዝገበሮስ፡ ካልእ ክዛረብ ኣይደፍርን እየ፣ ነዚ ኸኣ ብቓለይን ብግብረይን፡ 19 ብሓይሊ ትእምርትታትን ተኣምራትን፡+ ብሓይሊ መንፈስ ኣምላኽ እዩ ገይርዎ። ስለዚ፡ ካብ የሩሳሌም ክሳብ ኢሊሪኮን፡ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ሰቢኸዮ እየ።+ 20 በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መሰረት ካልእ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ስም ክርስቶስ እተፈልጠሉ ዘበለ ኸየበስር እጽዕት ኣለኹ፣ 21 እዚ ድማ ከምቲ፡ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነግሮም ኪርእይዎ፡ እቶም ዘይሰምዑ እውን ኪርድኡ እዮም” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 22 ስለዚ እውን እየ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ እተኸልከልኩ። 23 ሕጂ ግና ኣብዚ ዞባታት እዚ ዘይተተንከየ ኽሊ የብለይን፣ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝናፍቕ ከኣ ብዙሕ* ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። 24 ስለዚ፡ ናብ ስጳኛ ክኸይድ ከለኹ፡ ክርእየኩም፡ ምሳኻትኩም ምስ ቀነኹ ድማ ከተፋንዉኒ ተስፋ እገብር። 25 ሕጂ ግና ነቶም ቅዱሳት ከገልግል፡ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ እየ።+ 26 እቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉስ፡ ነቶም ኣብ መንጎ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳት ዚርከቡ ድኻታት፡ ካብቲ ዘለዎም ብምውጻእ ኬማቕልዎም ፈትዮም ኣለዉ።+ 27 ኣህዛብ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸቶም ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም እውን ንዓታቶም ብስጋዊ በረኸቶም ኬገልግልዎም ዕዳ ኣለዎም እሞ፡ ከምኡ ኺገብሩ ፈትዮም ኣለዉ፣ እወ፡ ሰብ ዕዳኦም እዮም።+ 28 እምበኣር፡ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ ነዚ ውጽኢት* እዚ እውን ምስ ኣረከብክዎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ናብ ስጳኛ ክኸይድ እየ። 29 ናባኻትኩም ክመጽእ ከለኹ ኸኣ፡ ብምሉእ በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጸኩም፡ እፈልጥ እየ። 30 ኣሕዋተየ፡ ምሳይ ኴንኩም ምእንታይ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ክትጋደሉ፡+ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን በታ ኻብ መንፈስ ዝዀነት ፍቕርን እምሕጸነኩም ኣለኹ፣ 31 እዚ ኸኣ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽናገፍ፡+ እቲ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳት ዘቕርቦ ኣገልግሎተይ እውን ብኣታቶም ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፡+ 32 ብፍቓድ ኣምላኽ ድማ ተሓጒሰ ምእንቲ ኽመጸኩምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍን እዩ። 33 እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ምስ ኵላትኩም ይኹን።+ ኣሜን። 3 ኣነ ኸኣ ኣሕዋተየ፡ ከም ንስጋውያን፡ ከምቶም ብክርስቶስ ሕጻናት እምበር፡+ ከም ንመንፈሳውያን+ ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን። 2 ገና ዓቕሚ ስለ ዘይነበረኩም፡ ዕጹም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ጸባ እየ መጊበኩም። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ዓቕሚ የብልኩምን፣+ 3 ከመይሲ፡ ገና ስጋውያን ኢኹም።+ ኣብ መንጎኹም ቅንእን ባእስን ካብ ሃለወስ፡ ስጋውያን ምዃንኩም ደይኰነን፧+ ከም ሰብዶኸ ትመላለሱ ኣየሎኹምን፧ 4 ስለምንታይሲ፡ ሓደ፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኺብል ከሎ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ”+ እንተ ኢሉ፡ ከም ማንም ሰብ ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ 5 እምበኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስከ እንታይ እዩ፧ ከምቲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ፡ ብኣታቶም ኣቢልኩም ዝኣመንኩም ኣገልገልቲ+ እዮም። 6 ኣነ ተኺለ፡+ ኣጵሎስ ኣስትዩ፡+ ኣምላኽ ግና ኣብቊሉ፣ 7 ስለዚ፡ እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እምበር፡+ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሶ የብሉን። 8 እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፣* ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ።+ 9 ምኽንያቱ፡ ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና። ንስኻትኩም ሕርሻ ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።+ 10 ከምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ፡ ከም ክኢላ ዋና ሃናጻይ መሰረት ሰሪተ እየ፣+ ካልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ግና ከመይ ገይሩ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። 11 ከመይሲ፡ ብዘይካ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ኪስርት ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።+ 12 ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዚ መሰረት እዚ ብወርቂ፡ ብብሩር፡ ብኽቡር እምኒ፡ ብዕንጨይቲ፡ ብድርቋ፡ ወይስ ብሓሰር እንተ ሃኒጹ፡ 13 እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ስለ እትግለጽ፡ ክትቀልዖ እያ እሞ፡ ዕዮ ነፍሲ ወከፍ እንታይ ምዃኑ ኺርአ* እዩ፣+ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕዮ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ምዃኑ ኺፍትኖ እዩ። 14 እቲ ኣብቲ መሰረት ዝሃነጸ ሰብ ዕዮኡ እንተ ጸኒዑሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ፣ 15 እቲ ዕዮኡ እንተ ነዲዱ ግና፡ ኪኸስር እዩ፣ ንሱ ንባዕሉ ግና ኪድሕን እዩ፣ ግናኸ፡ ከምቲ ብሓዊ ሓሊፉ ዝደሓነ እዩ። 16 ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን+ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ከም ዚሓድርንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 17 ሓደ እኳ ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣዕንዩዋ፡ ኣምላኽ ኬዕንዎ እዩ፣ ከመይሲ፡ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፣ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ እውን ንስኻትኩም ኢኹም።+ 18 ሓደ እኳ ንርእሱ ኣየስሕት፦ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዚ ስርዓት* እዚ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ዓሻ ይኹን። 19 ከመይሲ፡ “ንጥበበኛታት ብጕርሖም ይሕዞም” ዚብል ተጻሒፉ እዩ እሞ፡+ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ። 20 “የሆዋ፡* ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ” ዚብል እውን ኣሎ።+ 21 ስለዚ፡ ኵሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ፣ 22 ጳውሎስ ኰነ፡ ኣጵሎስ ኰነ፡ ኬፋ* ዀነ፡+ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት፡ ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ኵሉ ናታትኩም እዩ፣ 23 ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፣+ ክርስቶስ ከኣ ናይ ኣምላኽ እዩ። 7 ብዛዕባ እቲ ዝጸሓፍኩምለይ ከኣ፡ ሰብኣይ ንሰበይቲ እንተ ዘይተንከየ* ይሓይሽ፣ 2 ምንዝርና* ስለ ዝበዝሐ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ፣+ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ።+ 3 ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ፣ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ኸምኡ ትግበረሉ።+ 4 ሰበይቲ ኣብ ገዛእ ሰብነታ ስልጣን የብላን፣ ሰብኣያ ግና ኣለዎ። ከምኡ ኸኣ፡ ሰብኣይ ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን፣ ሰበይቱ ግና ኣለዋ። 5 ንጸሎት ግዜ ምእንቲ ኽትውፍዩ፡ ንግዜኡ ብስምምዕ ክልቴኹም እምበር፡ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይከልክሎ፣ ርእስኹም ብዘይምግታእኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። 6 እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል ኣለኹ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ኣይኰነን። 7 ኣነ ግና ኵሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ። ግናኸ፡ እቲ ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ እውን ከምቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ወውህበቱ ኣለዎ።+ 8 ንዘይተመርዓዉን ንመበለታትን ከኣ፡ ከምዚ ኸማይ ኰይኖም እንተ ነበሩ ይሓይሽ፡ እብል ኣለኹ።+ 9 ርእሶም ኪገትኡ እንተ ዘይክኢሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሓይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ።+ 10 ንምርዑዋት ድማ እእዝዝ ኣለኹ፣ ጐይታ እምበር ኣነ ኣይኰንኩን ዝእዝዝ ዘለኹ፦ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈለ።+ 11 ክትፍለ እንተ ኣልይዋ ግና፡ ከይተመርዓወት ትንበር፡ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፣ ሰብኣይ እውን ካብ ሰበይቱ ኣይፈለ።+ 12 ንኻልኦት ግና ኣነ እብል ኣለኹ፣ እወ፡ ኣነ እምበር ጐይታ ኣይኰነን ዚብል ዘሎ፦+ ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ እውን ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈትያ፡ ኣይሕደጋ፣ 13 ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣልይዋ፡ ንሱ እውን ምስኣ ኺነብር እንተ ፈትዩ፡ ንሰብኣያ ኣይትሕደጎ። 14 ከመይሲ፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ሳላ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፣ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲ እውን ሳላ እቲ ሓው ተቐዲሳ እያ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ውሉዳትኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፣ ሕጂ ግና ቅዱሳት እዮም። 15 እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልዩ ግና፡ ይፈለ፣ ሓው ወይስ ሓብቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ቅዩዳት ኣይኰኑን፣ ኣምላኽ ግና ናብ ሰላም ጸዊዑኩም ኣሎ።+ 16 ከመይሲ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧+ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ 17 ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ የሆዋ* ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍ እውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ።+ ንዅለን ጉባኤታት ከምኡ እየ መምርሒ ዝህብ ዘለኹ። 18 ግዙር ከሎ፡ እተጸውዐዶ ኣሎ፧+ ዘይግዙር ኣይኹን። ከይተገዝረ ኸሎ፡ እተጸውዐዶ ኣሎ፧ ኣይገዘር።+ 19 ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እምበር፡+ ግዝረት ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን፡ ዘይግዝረት እውን ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን።+ 20 ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኺጽዋዕ ከሎ ዝነበሮ፡ ከምኡ ኢሉ ይንበር።+ 21 ባርያ ኸለኻ ዲኻ ተጸዊዕካ፧ በዚ ኣይትጨነቕ፣+ ሓራ ኽትወጽእ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ። 22 እቲ ባርያ ኸሎ ብጐይታ እተጸውዐ ዘበለ፡ ናይ ጐይታ ውጹእ ሓራ እዩ፣+ ከምኡ ድማ እቲ ጭዋ ኸሎ እተጸውዐ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። 23 ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፣+ ደጊም ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። 24 ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኺጽዋዕ ከሎ ዝነበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምኡ ኢሉ ይንበር። 25 ብዛዕባ ደናግል* ከኣ፡ እሙን ክኸውን ብጐይታ ኸም እተመሓርኩ ዀይነ ሓሳበይ እህብ ኣለኹ እምበር፡+ ካብ ጐይታ ትእዛዝ የብለይን። 26 እምበኣር፡ ሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጸገም፡ ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ይመስለኒ። 27 ምስ ሰበይቲ ተጸሚድካ ዲኻ፧ ደጊም ክትፍለ ኣይትድለ።+ ካብ ሰበይቲ እተፈለኻ ዲኻ፧ ደጊም ሰበይቲ ኣይትድለ። 28 ግናኸ፡ እንተ ተመርዓኻ እኳ፡ ኣይሓጣእካን። ድንግል እውን እንተ ተመርዓወ፡ ኣይሓጥአን። እዞም ከምዚ ዚገብሩ ግና ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ። ኣነ ግና ክሰትረኩም እየ ዝፍትን ዘለኹ። 29 ኣሕዋተየ፡ እዚ እውን እብል ኣለኹ፦ እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺሩ እዩ።+ ድሕሪ ሕጂ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም፡ ከም ዘይብሎም ይኹኑ፣ 30 እቶም ዚበኽዩ ኸኣ ከምቶም ዘይበኽዩ ይኹኑ፣ እቶም ዚሕጐሱ ድማ፡ ከምቶም ዘይሕጐሱ ይኹኑ፣ እቶም ዚዕድጉ ኸኣ፡ ከምቶም ዘየጥርዩ ይኹኑ፣ 31 እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ እውን፡ ከምቶም ምሉእ ብምሉእ ዘይጥቀሙ ይኹኑ፣ ከመይሲ፡ ትርኢት እዛ ዓለም እዚኣ ይልወጥ እዩ ዘሎ። 32 ኣነስ ብዘይ ጭንቀት ክትኰኑ እየ ዝደሊ። እቲ ዘይተመርዓወ፡ ከመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጕሶ፡ ብዛዕባ ጐይታ እዩ ዚጭነቕ። 33 እቲ እተመርዓወ ግና፡ ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጕሳ፡ ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚጭነቕ፣+ 34 ሓሳቡ ኸኣ ይከፋፈል እዩ። ዘይተመርዓወት ሰበይትን ድንግልን ድማ ሰብነታን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ፡ ብዛዕባ ጐይታ እያ እትጭነቕ።+ እተመርዓወት ግና ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ፡ ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትጭነቕ። 35 እዚ ዝብል ዘለኹ ግና ግቡእ ክትገብሩን ከየስገልኩም ንጐይታ ኸተገልግሉን ንጥቕምኹም ኢለ እየ እምበር፡ ክቕይደኩም* ኢለ ኣይኰንኩን። 36 ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ከይተመርዓወ ምንባር* ዘይክእሎ እንተ መሲልዎ፡ ብጽሕናኡ ኸኣ እንተ ኣሕሊፉ፡ ከምዚ ይግበር፦ ዝደለዮ ይግበር፣ ኣይሓጥአን። ይመርዓዉ።+ 37 ሓደ ግና ብልቡ ወዲኡ እንተ ጸኒዑ፡ ግዲ ኸኣ እንተ ዘይኰይንዎ፡ ንገዛእ ፍቓዱ ድማ ዚመልኽ እንተ ዀይኑ፡ ከይተመርዓወ ኺነብር* ድማ ብልቡ እንተ ቘሪጹ፡ ጽቡቕ ይገብር።+ 38 ስለዚ፡ እቲ ዚምርዖ፡* ጽቡቕ ይገብር፣ እቲ ዘይምርዖ ግና፡ ዝሓሸ ይገብር።+ 39 ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ እስርቲ እያ።+ ሰብኣያ እንተ ሞይቱ* ግና፡ ብጐይታ ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ንዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ።+ 40 ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ብዝያዳ ምተሓጐሰት፣ ኣነ እውን ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎኒ ይመስለኒ። 12 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ውህበታት፡+ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይደልን እየ። 2 ኣህዛብ* ኣብ ዝነበርኩምሉ እዋን፡ እቶም ዓባሳት ጣኦታት+ ናብ ዝመርሑኹም እናሰዓብኩም፡ ብኣታቶም ትጽለዉን ናባታቶም ትምርሑን ከም ዝነበርኩም ትፈልጡ ኢኹም። 3 እምበኣር፡ ብመንፈስ ኣምላኽ እናተዛረበ፡ “የሱስ ርጉም እዩ!” ዚብል ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኰነ እውን፡ “የሱስ ጐይታ እዩ!” ኺብል ዚኽእል ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ አፍልጠኩም ኣለኹ።+ 4 እምበኣር፡ በበይኑ ውህበት ኣሎ፡ መንፈስ ግና ሓደ እዩ፣+ 5 በበይኑ ኣገልግሎት ከኣ ኣሎ፡+ ጐይታ ግና ሓደ እዩ፣ 6 በበይኑ ተግባራት ኣሎ፡ ንዅሉ ተግባራት ኣብ ኵሉ ዚገብር ግና ሓደ ኣምላኽ እዩ።+ 7 ግናኸ፡ እቲ መንፈስ ንጥቕሚ ኻልኦት ተባሂሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ይገሃድ እዩ።+ 8 ንሓደስ ብመንፈስ ዘረባ* ጥበብ፡ ንሓደ ኸኣ በቲ መንፈስ እቲ ዘረባ ፍልጠት ይውሃቦ፣ 9 ንሓደ በቲ መንፈስ እቲ እምነት፡+ ንሓደ በቲ መንፈስ እቲ ውህበት ምፍዋስ፡+ 10 ንሓደ ኸኣ ተግባራት ግብርታት ሓይሊ፡+ ንሓደ ምንባይ፡ ንሓደ ምስትውዓል እቲ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ዘረባ፡+ ንሓደ እተፈላለየ ቛንቋታት፡*+ ንሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።+ 11 ንዅሉ እዚ ተግባራት እዚ ግና፡ እቲ ሓደ መንፈስ እቲ፡ ከም ዝደለዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ነናቱ እዩ ዚዕድሎ። 12 ከምቲ ሰብነት ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ኵሉ ኣካላት እቲ ሰብነት ከኣ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ሰብነት ዝዀነ፡+ ክርስቶስ እውን ከምኡ እዩ። 13 ከመይሲ፡ ኣይሁድ ኰንና ወይስ ግሪኻውያን፡ ባሮት ኰንና ወይስ ጭዋታት፡ ኵላትና ሓደ ሰብነት ክንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና፡ ሓደ መንፈስ እውን ሰቲና ኢና። 14 ሰብነትሲ ብብዙሕ እምበር፡ ብሓደ ኣካል ኣይኰነን ቈይሙ።+ 15 እግሪ፡ “ኢድ ስለ ዘይኰንኩስ፡ ክፍሊ ሰብነት ኣይኰንኩን” እንተ ኢሉ፡ ክፍሊ ሰብነት ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። 16 እዝኒ ድማ፡ “ዓይኒ ስለ ዘይኰንኩስ፡ ክፍሊ ሰብነት ኣይኰንኩን” እንተ ኢላ፡ ክፍሊ ሰብነት ምዃና ኣይተርፋን እዩ። 17 ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዚኸውን፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ ኵሉ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ፧ 18 ሕጂ ግና ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት ሰብነት ከም ዝደለዮ ገይሩ ሰሪዕዎ ኣሎ። 19 ኵሉ ሕደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውን፡ ሰብነት ኣበይ ምሃለወ፧ 20 ሕጂ ግና እቲ ኣካላት ብዙሕ ክነሱ፡ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ። 21 ዓይኒ ንኢድ፡ “ኣይደልየክን” ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፣ ወይስ ርእሲ ንኣእጋር፡ “ኣይደልየኩምን” ኪብሎም ኣይክእልን እዩ። 22 እኳ ደኣስ፡ እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም ዜድልዩ፣ 23 ነቲ ሕሱር ዚመስለና ኽፍሊ ሰብነትና ኸኣ፡ ብዝያዳ ኽብሪ ንከናኸኖ ኢና፣+ እቲ ዘይምዕሩግ ኣካላትና እውን ብዝያዳ ይኽበር እዩ፣ 24 እቲ ምዕሩግ ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዝያዳ ኽብሪ እናሃበ፡ ነቲ ሰብነት ኣጋጢምዎ ኣሎ፣ 25 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ምእንቲ ኺተሓላለ እምበር፡ ኣብቲ ሰብነት ፍልልይ ምእንቲ ኸይከውን እዩ።+ 26 ሓደ ኣካል እንተ ተሳቕዩ ኸኣ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ እዩ፣+ ወይስ ሓደ ኣካል እንተ ኸቢሩ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ እዩ።+ 27 ንስኻትኩም ድማ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፣+ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብውልቂ ኣካላት ኢኹም።+ 28 ኣምላኽ ድማ ኣብ ጉባኤ እተፈላለየ ኣካላት ሰሪዑ ኣሎ፦ ቀዳማይ፡ ሃዋርያት፣+ ካልኣይ፡ ነብያት፣+ ሳልሳይ፡ መምህራን፣+ ድሕሪኡ፡ ግብርታት ሓይሊ፣+ ድሕሪኡ፡ ውህበት ምፍዋስ፣+ ሓጋዚ ኣገልግሎት፡ ክእለት ምምራሕ፡+ እተፈላለየ ቛንቋታት።+ 29 ኵላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኵላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኵላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኵላቶምዶ ግብርታት ሓይሊ ይገብሩ እዮም፧ 30 ኵላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም እዩ፧ ኵላቶምዶ ብቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧+ ኵላቶምዶኸ ይትርጕሙ እዮም፧+ 31 ነተን ዝዓበያ ውህበታት ደኣ ብቐጻሊ ጽዓቱ።*+ ገና ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።+ 1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ+ ክርስቶስ የሱስ ኪኸውን እተጸውዐ ጳውሎስን ሶስቴነስ ሓውናን፡ 2 ናብታ ኣብ ቈረንቶስ+ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ናባኻትኩም ናብቶም ብክርስቶስ የሱስ እተቐደስኩም፡+ ምስቶም ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ዚጽውዑ ዘበሉ+ ዅላቶም ከኣ ቅዱሳት ክትኰኑ እተጸዋዕኩም፦ 3 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 4 ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣ 5 ምኽንያቱ፡ ብዅሉ፡ ማለት ብዅሉ ዘረባን ብዅሉ ፍልጠትን ሃብቲምኩም ኢኹም፣+ 6 ብዛዕባ ክርስቶስ እተዋህበ ምስክርነት+ ከኣ ኣባኻትኩም ጸኒዑ እዩ፣ 7 ግልጸት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተሃንጢኹም እናተጸበኹም ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ውህበት ኣይጐደለኩምን።+ 8 ኣምላኽ እውን፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መንቀፊ ዘይብልኩም ክትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።+ 9 እቲ ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ሕብረት* ኪህልወኩም ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።+ 10 ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ሓድነት ኪህልወኩም እምበር፡+ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከይህሉ፡+ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 11 ኣሕዋተየ፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ብዛዕባኹም እንዳ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ። 12 ማለተይ፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡”+ “ኣነስ እባ ናይ ኬፋ፡”* “ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ” ትብሉ ኢኹም። 13 ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ እዩ፧ ጳውሎስዶ ተሰቒሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስዶ ተጠሚቕኩም ኢኹም፧ 14 ብዘይካ ንክሪስጶስን+ ንጋይዮስን፡+ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፡ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ፣ 15 ስለዚ፡ ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም፡ ኪብል ኣይክእልን እዩ። 16 ንቤተ ሰብ እስጢፋናስ+ እባ ኸኣ ኣጥሚቐዮም እየ። ብዛዕባ ዝተረፉ ግና፡ ንኻልእ ኣጥሚቐ እንተ ዀይነ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17 ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ክርስቶስ፡ ከጥምቕ ዘይኰነስ፡ ብዘይ ጥበብ ዘረባ* ኸበስር እዩ ልኢኹኒ።+ 18 ዘረባ ጕንዲ ስቅያትሲ* ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣+ እንድሕን ንዘለና ንዓና ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።+ 19 ከመይሲ፡ “ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ከጥፍእ እየ፣ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ እውን ክነጽግ እየ” ዚብል ተጻሒፉ እዩ።+ 20 ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ጸሓፊ* ኣበይ ኣሎ፧ ተማጓቲ እዚ ስርዓት* እዚ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21 ስለዚ፡ ዓለም ብጥበባ+ ንኣምላኽ ከም ጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡+ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብዕሽነት+ እቲ እተሰብከ ገይሩ ኼድሕኖም ባህ ኢልዎ እዩ። 22 ኣይሁድሲ ትእምርትታት ይልምኑ፡+ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፣ 23 ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፡ ንኣህዛብ ከኣ ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።+ 24 ግናኸ፡ ነቶም እተጸውዑ ኣይሁድ ኰኑ ግሪኻውያን፡ ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።+ 25 ምኽንያቱ፡ ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፣ ካብ ሰብ ከኣ ድኽመት ኣምላኽ ይብርትዕ።+ 26 ኣሕዋተየ፡ ጽውዓኹም እሞ ተመልከቱ፣ ብዙሓት ብስጋ* ጥበበኛታት፡+ ብዙሓት ሓያላት፡ ብዙሓት ደቂ ዓበይቲ ኣይተጸውዑን።+ 27 ኣምላኽ ግና ነቶም ጥበበኛታት ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ሓርዩ። ኣምላኽ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ንድኽመት እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ሓርዩ።+ 28 ኣምላኽ ነቲ ሕሱር እዛ ዓለም እዚኣን ነቲ ንዑቕን እዩ ሓርዩ፣ ማለት ነቲ ዚኸውን ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ዘይከውን እዩ ሓርዩ።+ 29 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ሓደ እኳ* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕ እዩ። 30 ግናኸ፡ ንስኻትኩም ሳላኡ ኢኹም ምስቲ ኻብ ኣምላኽ ጥበብን ጽድቅን+ ቅድስናን+ ብጀዋን+ ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎኩም፣ 31 እዚ ድማ ከምቲ፡ “እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ* ይመካሕ”+ ዚብል እተጻሕፈ ምእንቲ ኪኸውን እዩ። 8 ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውአ ኸኣ፦+ ኵላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና።+ ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ።+ 2 ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ እንተ መሲልዎ፡ ገና ኸምቲ ኺፈልጦ ዚግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። 3 ሓደ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተ ኣልዩ ግና፡ ንሱ ብእኡ ይፍለጥ እዩ። 4 ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውአ ምብላዕ ድማ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኸም ዘይኰነ፡+ ብዘይካ ሓደ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ንፈልጥ ኢና።+ 5 ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እኳ እንተ ኣለዉስ፡+ ከምቲ ብዙሓት “ኣማልኽትን” ብዙሓት “ጐይተትን” ዘለዉ፡ 6 ንዓናስ ኵሉ ኻብኡ ዚኸውን፡ ንሕና ድማ ንዕኡ እንኸውን+ ሓደ ኣምላኽ፡+ ኣቦ፡+ ኣሎና፣ ኵሉ ብእኡ ዚኸውን፡+ ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታ እውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና። 7 ግናኸ፡ እዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ኵሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ።+ ገሊኦም ግና ኣቐዲሞም ምስ ጣኦት ሕብረት ስለ ዝነበሮም፡ ንጣኦት ከም እተሰውአ ገይሮም ይበልዑ ኣለዉ፣+ ሕልናኦም ድኹም ብምዃኑ ድማ፡ ረኺሱ እዩ።+ 8 ብልዒ ግና ናብ ኣምላኽ ኣየቕርበናን እዩ፣+ እንተ ዘይበላዕና፡ ኣይጐድለና፡ እንተ በላዕና እውን፡ ኣይውሰኸና።+ 9 ግናኸ፡ እዚ ናይ ምምራጽ መሰልኩም ነቶም ድኹማት መዐንቀፊ ኸይኰኖም ተጠንቀቑ።+ 10 ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ንዓኻ፡ ፍልጠት ንዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ኣብ መኣዲ ተቐሚጥካ እንተ ርእዩካ፡ ሕልና እቲ ድኹም ንጣኦታት እተሰውአ ኽሳዕ ምብላዕዶ ኣይኪደፍርን እዩ፧ 11 ብፍልጠትካስ እቲ ድኹም፡ ማለት እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሓውካ ይጠፍእ ኣሎ።+ 12 በዚ ኸምዚ ንኣሕዋትኩም ምስ እትብድሉ፡ ነቲ ድኹም ሕልናኦም እውን ምስ እተቝስልዎ፡+ ንክርስቶስ ኢኹም እትብድልዎ ዘለኹም። 13 ስለዚ፡ ብልዒ ንሓወይ ዚዕንቅፎ እንተ ዀይኑ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎስ፡ ንሓዋሩ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።+ 11 ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም ንዓይ ምሰሉ።+ 2 ብዅሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዘመሓላለፍኩልኩም ጌርኩም ነቲ ስርዓታት ኣጽኒዕኩም ስለ ዝሓዝኩምዎን፡ እንእደኩም ኣለኹ። 3 ግናኸ፡ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡+ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡+ ርእሲ ክርስቶስ እውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡+ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። 4 ኣብ ርእሱ መጐልበቢ ገይሩ ዚጽሊ ወይ ዚንበ ሰብኣይ ዘበለ ዅሉ፡ ርእሱ የሕስር እዩ፣ 5 ርእሳ ኸይተጐልበበት እትጽሊ ወይ እትንበ+ ሰበይቲ ዘበለት ኵላ ግና፡ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። 6 ከመይሲ፡ ሰበይቲ ዘይትጕልበብ እንተ ዀይና፡ ጸጕራ ትቈረጽ፣ ግናኸ፡ ሰበይቲ ጸጕራ ኽትቍረጽ ወይ ክትላጸ ዜሕስራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። 7 ሰብኣይ ምስልን ክብርን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡+ ርእሱ ኺጕልበብ ኣይግብኦን እዩ፣ ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። 8 ምኽንያቱ፡ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ እያ እምበር፡ ሰብኣይሲ ኻብ ሰበይቲ ኣይኰነን።+ 9 ከምኡ ድማ፡ ሰበይቲ እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን።+ 10 ስለዚ ኸኣ እዩ ሰበይቲ ስለ መላእኽቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ስልጣን* ኪህልዋ ዚግባእ።+ 11 ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ ኣይትኸውንን እያ፣ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ኣይከውንን እዩ። 12 ከመይሲ፡ ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡+ ከምኡ ድማ ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፣ ኵሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።+ 13 እስከ ባዕላትኩም ፍረዱ፦ ሰበይቲ ርእሳ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ 14 ሰብኣይ ጸጕሩ እንተ ኣንዊሑ፡ ከም ዜሕስሮስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ 15 ሰበይቲ ጸጕራ እንተ ኣንዊሓ ግና፡ ጸጕሪ ኽንዲ መጐልበቢ ስለ እተዋህባ፡ ንዓኣ ኽብራ ደይኰነን፧ 16 ምእንቲ ኻልእ ልምዲ ኺከራኸር ዚደሊ ሰብ እንተ ኣልዩ ግና፡ ንሕናስ ካልእ የብልናን፣ ጉባኤታት ኣምላኽ እውን ካልእ የብለንን። 17 ግናኸ፡ እዚ ኽእዝዝ ከለኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሓይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። 18 ከመይሲ፡ ቅድሚ ዅሉ፡ ኣብ ጉባኤ ኽትእከቡ ኸለኹም፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከም ዘሎ እሰምዕ ኣለኹ፣ ነዚ እውን ብእተወሰነ እኣምኖ እየ። 19 ምኽንያቱ፡ እቶም ብቕዓቶም ዘመስከሩ ኣብ መንጎኹም ምእንቲ ኺግለጹ፡ ኣብ መንጎኹም ኑፋቐ እውን ኪኸውን ኣለዎ።+ 20 ብሓደ ምእካብኩም፡ ድራር ጐይታ ንምብላዕ ኣይኰነን።+ 21 ኣብ እትበልዑሉ እዋንሲ ነፍሲ ወከፍ ኣቐዲሙ ድራሩ ስለ ዚበልዕ፡ ሓዲኡ ይጠሚ፡ ሓዲኡ ይሰክር ኣሎ። 22 እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን እዩ፧ ወይስ ንጉባኤ ኣምላኽ ትንዕቁ፡ ነቶም ዘይብሎም እውን ተሕፍርዎም ዲኹም ዘለኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ ክንእደኩምዶ፧ በዝስ ኣይንእደኩምን እየ። 23 እቲ ናባኻትኩም ዘመሓላለፍክዎስ፡ ካብ ጐይታ ተቐቢለ እየ፦ ጐይታና የሱስ በታ ኣሕሊፍካ ዚውሃበላ ለይቲ፡+ እንጌራ ኣልዒሉ፡ 24 ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ “እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ።+ እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ እዩ።+ 25 ብዛዕባ እታ ጽዋእ+ እውን ድሕሪ ድራር፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ፡ ብደመይ ዚግበር+ ሓድሽ ኪዳን ማለት እያ።+ ብእትሰትይዋ መጠን፡ እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ብምባል ከምኡ ገይሩ እዩ።+ 26 ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብእትበልዕዋ መጠን፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ እውን ብእትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። 27 ስለዚ፡ ከይተገብኦ ነታ እንጌራ ዚበልዕ ወይስ ነታ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ኣብ ስጋን ደምን ጐይታ እዩ ዚዕግብ። 28 ቅድም፡ ሰብ ርእሱ ይመርምር፣+ ድሕሪኡ፡ ካብታ እንጌራ ይብላዕ፡ ካብታ ጽዋእ እውን ይስተ። 29 እቲ ነቲ ስጋ ኸየለለየ ዚበልዕን ዚሰትን፡ ኣብ ርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። 30 ስለዚ ኸኣ እዮም ኣብ መንጎኹም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፣ ሓያሎ እውን ሞይቶም* ኣለዉ።+ 31 ግናኸ፡ መን ምዃንና እንተ ነስተውዕልሲ፡ ኣይምተፈርደናን ነይሩ። 32 ክንፍረድ ከለና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዅነን፡+ ብየሆዋ* ንግሰጽ ኢና።+ 33 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ነቲ ድራር ክትበልዑ ኽትእከቡ ኸለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተጸባበዩ። 34 ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ዝጠመየ እንተሎ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ።+ እቲ ዝተረፈ ግና ምስ መጻእኩ፡ ስርዓት ከትሕዞ እየ። 2 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ናባኻትኩም ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር+ ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ+ ወይ ብጥበብ እናነገርኩ ኣይመጻእኩን። 2 ምሳኻትኩም ከለኹስ፡ ብዘይካ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ካልእ ከይፈልጥ እየ ወሲነ።+ 3 ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን ድማ እየ ዝመጻእኩኹም፣ 4 ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብመርኣያ መንፈስን ሓይልን እምበር፡ ብዚሓብል ቃላት ጥበብ ኣይነበረን፣+ 5 እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ እምነትኩም ብጥበብ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትከውን እየ። 6 ኣብ መንጎ እቶም ብሱላት፡ ጥበብ ንዛረብ ኢና፣+ ጥበብ እዚ ስርዓት* እዚ ወይስ ጥበብ እቶም ዚሓልፉ ገዛእቲ እዚ ስርዓት እዚ ግና ኣይኰነን።+ 7 የግዳስ፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ እዚ ስርዓት እዚ ንኽብርና ኣቐዲሙ ዝመደቦ፡ ሕቡእ ጥበብ ዝዀነ ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ ኢና እንዛረብ።+ 8 ካብ ገዛእቲ እዚ ስርዓት* እዚ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብ እዚ ኣይፈለጦን፣+ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ነቲ ኽቡር ጐይታ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። 9 ግናኸ፡ ከምቲ፡ “እቲ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለወሎም፡ ዓይኒ ኣይረኣየቶን፡ እዝኒ ኸኣ ኣይሰምዓቶን፡ ኣብ ልቢ ሰብ እውን ኣይተሓስበን” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 10 እቲ መንፈስሲ ንዅሉ፡ ንመዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ፡+ ይምርምር እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ+ ንዓና እዩ ገሊጹልና።+ 11 እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ዚፈልጥ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። 12 ንሕና ኸኣ፡ እቲ ብኣምላኽ ብለውሃት እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ እምበር፡+ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። 13 እዚ ድማ መንፈሳዊ ነገራት ብመንፈሳዊ ቓላት ጌርና ኽንገልጽ ከለና፡* እቲ መንፈስ ብዚምህረሉ ቓላት ኣቢልና እምበር፡+ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓላት ኣይኰንናን እንዛረብ።+ 14 ግናኸ፡ ስጋዊ ሰብ ነቲ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ዘበለ ኣይቅበሎን እዩ፣ እዝስ ንዕኡ ዕሽነት እዩ፣ ብመንፈሳዊ መዳይ ዚምርመር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ። 15 ግናኸ፡ መንፈሳዊ ሰብ ንዅሉ ይምርምር እዩ፣+ ንሱ ንባዕሉ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ። 16 ከመይሲ፡ “ምእንቲ ኺምህሮስ፡ ሓሳብ የሆዋ* ዚፈልጥ መን እዩ፧”+ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና።+ 4 ሰብ ንዓና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም ኣመሓደርቲ ቕዱስ ምስጢራት ኣምላኽን ይቝጸረና።+ 2 ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣመሓደርቲ እሙናት ኰይኖም ኪርከቡ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። 3 ንዓይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብሰብኣዊ ቤት ፍርዲ እንተ ተመርመርኩ፡ ግዲ የብለይን። ኣነ እኳ ንርእሰይ ኣይምርምራን እየ። 4 ከመይሲ፡ ሕልናይ ኣይወቕሰንን እዩ። ግናኸ፡ ጻድቕ ምዃነይ በዚ ኣይኰነን ዚረጋገጽ፣ እቲ ዚምርምረኒ፡ የሆዋ* እዩ።+ 5 ስለዚ፡ እቲ ኣብ ጸልማት እተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ ግዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ፣+ ሽዑ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።+ 6 ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻብቲ ሓደ እናኣበላለጽኩም ብትዕቢት ምእንቲ ኸይትንፍሑ፡+ “ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይትኺድ” ዚብል ስርዓት ካባና ኽትመሃሩ፡ እዚ ነገር እዚ ምእንታኹም ኢለ ኣባይን ኣብ ኣጵሎስን አውዕሎ ኣለኹ።+ 7 ስለምንታይሲ፡ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገበረካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧+ ካብ ተቐበልካኸ፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትምካሕ፧ 8 ድሮዶ ጸጊብኩም፧ ድሮዶ ሃብቲምኩም፧ ብዘይካናዶ ነጊስኩም፧+ ንሕና እውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም።+ 9 ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ምርኢት ስለ ዝዀንናስ፡+ ኣምላኽ ንዓና ንሃዋርያት፡ ሞት ከም እተፈርዶም ገይሩ ኣብ መወዳእታ ምርኢት ዝገበረና ይመስለኒ።+ 10 ንሕና ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፣+ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ኣስተውዓልቲ ኢኹም፣ ንሕና ድኹማት፡ ንስኻትኩም ግና ብርቱዓት ኢኹም፣ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11 ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን+ ንጸምእን+ ንዓርቕን ንውቃዕን+ ኣለና፡ መሕደሪ እውን የብልናን፣ 12 ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣለና።+ እናጸረፉና ንምርቕ፣+ እናሰጐጉና ብትዕግስቲ ንጻወር፣+ 13 እናኣካፍኡና ብልኡም ንምልስ፣*+ ጐሓፍ ዓለምን ጐዱፍ ኵሉን ኴንና ኣለና። 14 ከሕፍረኩም ዘይኰነስ፡ ከም ፍቑራት ደቀይ ክምዕደኩም ኢለ እየ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። 15 ከመይሲ፡ ብክርስቶስ እልፊ መጕዚታት* እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ በቲ ብስራት ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን።+ 16 ስለዚ፡ ንዓይ ምሰሉ ኢለ እምሕጸነኩም ኣለኹ።+ 17 በዚ ምኽንያት እዚ እየ ነቲ ብጐይታ ፍቑረይን እሙን ውሉደይን ዝዀነ ጢሞቴዎስ ዝሰድደልኩም ዘለኹ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣነ ኣብ በቦታኡ ንዘለዋ ዅለን ጉባኤታት ዝምህሮ ገይሩ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ እተተሓሓዘ ሜላታተይ* ኬዘኻኽረኩም እዩ።+ 18 ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎምሲ፡ ብትዕቢት ተነፊሖም ኣለዉ። 19 የሆዋ* እንተ ፈቒድዎ ግና፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፣ ሽዑ፡ ዘረባ እቶም ብትዕቢት እተነፍሑ ዘይኰነስ፡ ሓይሎም ክፈልጥ እየ። 20 ከመይሲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን። 21 እንታይ ይሕሸኩም፧ ብበትሪዶ+ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ልእመትን ክመጸኩም፧ 16 ብዛዕባ እቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ውጽኢት ከኣ፡+ ነቲ ንጉባኤታት ገላትያ ዝሃብክዎ መምርሒ ስዓቡ። 2 እቲ ምውጻእ ገንዘብ ኣነ ምስ መጻእኩ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ የቐምጥ። 3 ኣነ ምስ መጻእኩ ግና፡ ነቶም ብደብዳበታትኩም ዝሰመርኩምዎም ሰባት፡+ ነቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ኬብጽሑ ኽሰድዶም እየ። 4 ኣነ እውን ናብኡ ክኸይድ ዜድሊ እንተ ዀይኑ፡ ምሳይ ኪኸዱ እዮም። 5 ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሓለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፣+ 6 ናብቲ ዝኸዶ ምእንቲ ኸተፋንዉኒ፡ ምናልባት ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ። 7 የሆዋ* እንተ ፈቒድዎ፡ ገለ ግዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣለኹ እሞ፡+ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይደልን እየ። 8 ኣብ ኤፌሶን+ ግና ክሳዕ በዓል ጰንጠቈስጠ* ኽጸንሕ እየ፣ 9 ከመይሲ፡ ናብ ዕዮ ዜእቱ ዓብዪ ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ብዙሓት ተጻረርቲ ኣለዉ። 10 ጢሞቴዎስ+ እንተ መጺኡ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ የሆዋ* ይዓዪ ኣሎ እሞ፡+ ምሳኻትኩም ብዘይ ስክፍታ ኸም ዚጸንሕ ግበሩ። 11 እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኣይንዓቆ። ምስቶም ኣሕዋት እጽበዮ ኣለኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ። 12 ብዛዕባ ኣጵሎስ+ ሓውና ኸኣ፡ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኪመጽእ ብዙሕ ተማሕጺነዮስ፡ ሕጂ ኺመጽእ ኣይደለየን፣ ምስ ጠዓሞ ግና ኪመጽእ እዩ። 13 ንቕሑ፡+ ኣብ እምነት ጽንዑ፡+ ሰብኡት ኩኑ፡*+ በርትዑ።+ 14 ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።+ 15 ኣሕዋተየ እዚ እምሕጸነኩም ኣለኹ፦ ቤተ ሰብ እስጢፋናስ በዅራት ኣካይያ ኸም ዝዀኑ፡ ንምግልጋል ቅዱሳት ከኣ ገዛእ ርእሶም ከም ዝወፈዩ ትፈልጡ ኢኹም። 16 ንስኻትኩም እውን ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ዚተሓባበሩን ዚጽዕሩን ተገዝእዎም።+ 17 እስጢፋናስን+ ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለ መሊኦምዎ ስለ ዘለዉ፡ ኣብዚ ብምህላዎም ተሓጒሰ እየ። 18 ምኽንያቱ፡ ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣቕሲኖምዎ ኣለዉ። እምበኣር፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ፍለጥዎም። 19 እተን ጉባኤታት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስካን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ጉባኤ ዀይኖም፡+ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20 ኵሎም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። 21 እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። 22 ንጐይታና ዘይፈትዎ እንተሎ፡ ርጉም ይኹን። ኦ ጐይታና፡ ንዓ! 23 ጸጋ ጐይታና የሱስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24 ፍቕረይ ምስ ኵላትኩም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎኩም ትኹን። 6 ካባኻትኩም፡ ሓደ ምስቲ ኻልእ ነገር እንተ ኣልይዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳት ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲዶ ኺፋረድ ይደፍር እዩ፧ 2 ወይስ እቶም ቅዱሳት ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ኣዝዩ ንኣሽቱ ነገራት ክትፈርዱዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ 3 ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዜጋጥም ነገራት ግዳ ኸመይ ዘይንፈርድ፧ 4 እምበኣርከ፡ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዚፍረድ ነገራት እንተ ኣሎኩም፡+ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዚንዓቑዶ ፈራዶ ትገብርዎም ኢኹም፧ 5 ከሕፍረኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። ካንዶ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ጥበበኛ የብልኩምን ኢኹም፧ 6 ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓው ምስ ሓዉ ይፋረድ ኣሎ፣ እሞ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣመንቲ! 7 ንሓድሕድኩም ትፋረዱ ምህላውኩምሲ፡ ብሱሩ ንዓኻትኩም ስዕረት እዩ። ከመይ ግዳ ንስኻትኩም ዘይትብደሉ፧+ ከመይከ ዘይትዕመጹ፧ 8 መሓልፎ ንስኻትኩም ትብድሉን ትዕምጹን ኣለኹም፣ እሞ ኸኣ ንኣሕዋትኩም! 9 ወይስ ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ኣይትታለሉ። ኣመንዝራታት* ኰኑ፡+ ኣምለኽቲ ጣኦት ኰኑ፡+ ዘመውቲ ዀኑ፡+ ኣባታቶም ግብረ ሶዶም ኪግበር ዚፈቕዱ ዀኑ፡+ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ* ዀኑ፡+ 10 ሰረቕቲ ዀኑ፡ ስሱዓት ኰኑ፡+ ሰኽራማት ኰኑ፡+ ተጻረፍቲ ዀኑ፡ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።+ 11 ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም። ግናኸ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን ተሓጺብኩምን+ ተቐዲስኩምን+ ጸዲቕኩምን+ ኢኹም። 12 ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም።+ ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺቈጻጸረኒ* ኣይሓድጎን እየ። 13 ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ እውን ንብልዒ እዩ፣ ኣምላኽ ግና ንኽልቲኡ ኸንቱ ኺገብሮ እዩ።+ ሰብነት ንጐይታ እምበር፡ ንምንዝርና* ኣይኰነን፣+ ጐይታ እውን ንሰብነት እዩ። 14 ኣምላኽ ግና ንጐይታ ኣተንሲእዎ እዩ፣+ ንዓና እውን ብሓይሉ ኼተንስኣና እዩ።+ 15 ሰብነትኩም ኣካላት ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ እምበኣርከ፡ ንኣካላት ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካላት ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን! 16 “እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም”+ ይብል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ፡ ምስኣ ሓደ ሰብነት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17 እቲ ምስ ጐይታ ዝለገበ ግና፡ ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።+ 18 ካብ ምንዝርና* ህደሙ!+ ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ሰብነቱ ወጻኢ እዩ፣ ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ሰብነቱ እዩ ዚሓጥእ።+ 19 ሰብነትኩም ቤተ መቕደስ+ እቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እውን እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ ንስኻትኩም እውን ናይ ርእስኹም ኣይኰንኩምን፣+ 20 ከመይሲ፡ ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም።+ ስለዚ፡ ብሰብነትኩም+ ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።+ 10 ኣሕዋተየ፡ ኣቦታትና ዅላቶም ኣብ ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩን+ ኵላቶም ባሕሪ ኸም እተሳገሩን፡+ ክትፈልጡ እደልየኩም እየ፣ 2 ኵላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠሚቖም እዮም፣ 3 ኵላቶም ከኣ ሕደ መንፈሳዊ ምግቢ በሊዖም እዮም፣+ 4 ኵላቶም እውን ሕደ መንፈሳዊ መስተ ሰትዮም እዮም።+ ከመይሲ፡ ካብቲ ዝሰዓቦም መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም፣ እቲ ኸውሒ ኸኣ ንክርስቶስ የመልክት።*+ 5 ግናኸ፡ ኣምላኽ ብመብዛሕትኦም ባህ ኣይበሎን፣ ስለዚ፡ ኣብ በረኻ ተወዲኦም እዮም።+ 6 እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ፡ ንሕና እውን እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀይኑና ኣሎ።+ 7 “እቶም ህዝቢ ኺበልዑን ኪሰትዩን ተቐመጡ። ኪጻወቱ እውን ተንስኡ” ዚብል ከም እተጻሕፈ፡+ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገበርዎ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። "8 ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ* እሞ ብሓንቲ መዓልቲ 23,000 ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር።*+" 9 ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ ብኣትማን ዝጠፍኡ፡+ ንየሆዋ* ኣይንፈትኖ።+ 10 ከምቲ ገሊኣቶም ዘጕረምረሙ+ እሞ በቲ መጥፍኢ ዝጠፍኡ፡+ ኣይነጕረምርም። 11 እዚ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፣ ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።+ 12 ስለዚ፡ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።+ 13 ንሰብ ዘይበጽሖ ፈተና ኣይበጽሓኩምን።+ ግናኸ፡ ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣+ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ።+ 14 ፍቑራተየ፡ ስለዚ፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ።+ 15 ከም ንኣስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፣ ነቲ ዝብሎ ዘለኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16 እታ እንባርኻ ጽዋእ በረኸት ካብ ደም ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧+ እታ እንቘርሳ እንጌራኸ ኻብ ስጋ ክርስቶስ ምክፋል ደይኰነትን፧+ 17 ኵላትና ኻብ ሓንቲ እንጌራ ንማቐል ኣለና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ስለ ዘላ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ሓደ ሰብነት ኢና።+ 18 ንእስራኤል እሞ ብስጋ ርኣይዎ፦ እቶም ካብ መስዋእትታት ዚበልዑስ፡ ምስቲ መሰውኢዶ ኣይካፈሉን እዮም፧+ 19 እንታይ ደኣ እብል ኣለኹ፧ ንጣኦታት እተሰውአዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይስ ጣኦትዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20 ኣይፋሉን፣ እቲ ኣህዛብ ዚስውእዎ፡ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን፣+ ምስ ኣጋንንቲ ኽትካፈሉ ኸኣ ኣይደልየኩምን እየ።+ 21 ጽዋእ የሆዋን* ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ካብ “መኣዲ የሆዋ”ን*+ ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 22 ወይስ ‘ንየሆዋዶ* ኸነቕንኦ ኢና’፧+ ካብኡዶ ንብርትዕ ኢና፧ 23 ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚጠቅም። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚሃንጽ።+ 24 ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።+ 25 ኣብ ዕዳጋ ስጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዅሉ፡ ስለ ሕልናኹም ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም ብልዑ፣ 26 ከመይሲ፡ “ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናይ የሆዋ* እዩ።”+ 27 ሓደ ዘይኣማኒ እንተ ዓዲሙኩም እሞ ኽትከዱ እንተ ደሊኹም፡ ስለ ሕልና ኢልኩም ገለ ኸይመርመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ብልዑ። 28 ሓደ፡ “እዚ ንጣኦታት እተሰውአ እዩ” እንተ ኢሉኩም ግና፡ ስለቲ ዝነገረኩምን ስለ ሕልናን ኢልኩም ኣይትብልዑ።+ 29 “ሕልና” ኽብል ከለኹ፡ ሕልና ኻልእ ደኣ እምበር፡ ሕልና ርእስኻ ማለተይ ኣይኰነን። ስለምንታይከ ሓርነተይ ብሕልና ኻልእ ዚፍረድ፧+ 30 ብምስጋና እካፈል ካብ ኣለኹ፡ ስለምንታይ ደኣ በቲ ዘመስገንኩሉ ዝጽረፍ፧+ 31 እምበኣር፡ እንተ በሊዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቲኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ጌርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።+ 32 ንኣይሁድ ኰነ ንግሪኻውያን ወይስ ንጉባኤ ኣምላኽ፡ መዐንቀፊ ኣይትኹኑ፣+ 33 ኣነ እውን ምእንቲ ኺድሕኑስ፡ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደለኹ፡+ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ኸሐጕስ እጽዕር ኣለኹ።+ 14 ንፍቕሪ ስዓብዋ፣ ንመንፈሳዊ ውህበታት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እውን ብቐጻሊ ጽዓቱ።+ 2 እቲ ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብሲ፡ ቅዱስ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ እምበር፡+ ሓደ እኳ ኣይሰምዖን እዩ እሞ፡+ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ። 3 እቲ ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሃንጽን ዜተባብዕን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ። 4 እቲ ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽ፣ እቲ ዚንበ ግና ንጉባኤ እዩ ዚሃንጽ። 5 እምበኣር፡ ኵላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡+ ምናዳ ግና ክትንበዩ እደሊ ኣለኹ።+ እታ ጉባኤ ምእንቲ ኽትህነጽሲ፡ እቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እንተ ዘይተርጒምዎ፡ እቲ ዚንበ ኻብኡ ይዓቢ። 6 ኣሕዋተየ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ፡ ብራእይ፡+ ወይ ብፍልጠት፡+ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብትምህርቲ እንተ ዘይተዛሪበኩም፡ እንታይ ምጠቐምኩኹም፧ 7 እቲ ኸም እኒ ሻምብቆ ወይስ መሰንቆ* ዝኣመሰለ ህይወት ዘይብሉ ዜድሂ ነገራት፡ ከምኡ እዩ። ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድህዩ፡ እቲ ብሻምብቆ ወይ ብመሰንቆ ዚጽወት ከመይ ጌርካ ይፍለጥ፧ 8 መለኸት ዘይንጹር ደሃይ እንተ ኣድህዩስ፡ መን እዩ ንውግእ ዚዳሎ፧ 9 ከምኡ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ከም ዚርዳእ ጌርኩም ብልሳን እንተ ዘይተዛሪብኩም፡ እቲ ዚዝረብ ከመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ እኳ ደኣስ ንንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ። 10 ኣብ ዓለም ብዙሕ ዓይነት ቋንቋታት ኣሎ፣ ትርጉም ዘይብሉ ግና የልቦን። 11 ትርጉም እቲ ቛንቋ እንተ ዘይተረዲአዮስ፡ ነቲ ዚዛረብ፡ ጓና እየ ዝዀኖ፣ እቲ ዚዛረብ እውን፡ ጓና እዩ ዚዀነኒ። 12 ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም ነቲ ውህበታት መንፈስ ተሃንጢኹም ስለ እትደልይዎ፡ በቲ ንጉባኤ ዚሃንጽ ውህበታት ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ።+ 13 ስለዚ፡ እቲ ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ፡ ምእንቲ ኺትርጕም ይጸሊ።+ 14 ከመይሲ፡ ብኻልእ ቋንቋ እጽሊ እንተ ኣልየ፡ እቲ መንፈስ ዝሃበኒ ውህበት እዩ ዚጽሊ ዘሎ፣ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ። 15 እንታይ ደኣ ይገበር፧ ብውህበት መንፈስ ክጽሊ እየ፣ ግናኸ ብኣእምሮይ እውን ክጽሊ እየ። ብውህበት መንፈስ ውዳሰ ኽዝምር እየ፣ ግናኸ ብኣእምሮይ እውን ውዳሰ ኽዝምር እየ። 16 እንተ ዘይኰነስ፡ ብውህበት መንፈስ እንተ ባሪኽካ፡ እቲ ኣብ ቦታ እቲ ተራ ሰብ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ንምስጋናኻ “ኣሜን” ኪብል ይኽእል፧ 17 ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣለኻ፣ እቲ ኻልእ ግና ኣይህነጽን እዩ ዘሎ። 18 ካብ ናይ ኵላትኩም ዚበዝሕ ቋንቋታት ብምዝራበይ፡ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ። 19 ግናኸ፡ ንኻልኦት እውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡* ኣብ ጉባኤ እልፊ ቓላት ብኻልእ ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ፡ ሓሙሽተ ቓላት ብኣእምሮ* ኽዛረብ ምመረጽኩ።+ 20 ኣሕዋተየ፡ ንኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡+ ብኣእምሮ ቘልዑ ኣይትኹኑ፣+ የግዳስ፡ ብኣእምሮ ብሱላት ኩኑ።+ 21 ኣብ ሕጊ፡ “‘ነዚ ህዝቢ እዚ ብቛንቋታት ካልኦትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፣ ሽዑ እውን እንተ ዀነ ኣይኪሰምዑንን እዮም’ ይብል የሆዋ”* ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ 22 ስለዚ፡ ቋንቋታት ንዘይኣመንቲ ትእምርቲ እዩ እምበር፡+ ንኣመንቲ ኣይኰነን፣ ትንቢት ግና ንኣመንቲ እምበር፡ ንዘይኣመንቲ ኣይኰነን። 23 እምበኣር፡ ብዘላ እታ ጉባኤ ብሓባር እንተ ተኣኪባ፡ ኵላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛሪቦም እሞ ተራ ሰባት ወይ ዘይኣመንቲ ኣብኡ እንተ ኣትዮም፡ ተጸሊልኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ 24 ኵላትኩም ክትንበዩ ኸለኹም ሓደ ዘይኣማኒ ወይ ተራ ሰብ እንተ ኣትዩ ግና፡ ብዅላቶም ይግናሕ፡ ብዅላቶም ከኣ ይምርመር እዩ፣ 25 እቲ ኣብ ልቡ እተሓብአ ይግለጽ እሞ፡ “ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ መንጎኹም እዩ” እናበለ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኬምልኾ እዩ።+ 26 ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ ይገበር፧ ክትእከቡ ኸለኹም፡ ሓደ መዝሙር ኣለዎ፡ ሓደ ትምህርቲ ኣለዎ፡ ሓደ ራእይ ኣለዎ፡ ሓደ ኻልእ ቋንቋ ኣለዎ፡ ሓደ ኸኣ ትርጉም ኣለዎ።+ ኵሉ ንምህናጽ ይገበር። 27 ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ካብ ክልተ ወይ ካብ ሰለስተ ኣይብዝሑ፡ በብተራ ድማ ይዛረቡ፣ ሓደ ኸኣ ይተርጕም።+ 28 ተርጓሚ እንተ ዘየልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ፡ ኣብታ ጉባኤ ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ከኣ ይዛረብ። 29 ከምኡ ድማ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ነብያት+ ይዛረቡ፣ እቶም ካልኦት እውን የስተውዕሉ። 30 ሓደ ኻብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ራእይ እንተ ተገሊጹሉ፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31 ኵላቶም ምእንቲ ኺምሃሩን ኵላቶም ምእንቲ ኺተባብዑንሲ፡+ ኵላትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም። 32 ነብያት ከኣ ንውህበት መንፈስ ነብያት ኪቈጻጸርዎ ኣለዎም። 33 ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ህውከት ኣምላኽ ኣይኰነን።+ ከምቲ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ቅዱሳት ዚግበር ዘሎ፡ 34 ኣንስቲ ኣብ ጉባኤታት ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እሞ ስቕ ይበላ።+ የግዳስ፡ ከምቲ ሕጊ እውን ዚብሎ፡ ይገዝኣ።+ 35 ሰበይቲ ኣብ ጉባኤ ኽትዛረብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺፈልጣ እንተ ደልየን፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። 36 ቃል ኣምላኽ ካባኻትኩም ድዩ ወጺኡ፧ ወይስ ክሳዕ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ በጺሑ፧ 37 ነብዪ ዝዀነ ወይ ውህበት መንፈስ ዘለዎ ዚመስሎ እንተሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ትእዛዛት ጐይታ ምዃኑ ይቀበሎ። 38 እቲ ነዚ ዕሽሽ ዚብሎ ግና፡ ዕሽሽ ኪብሃል እዩ።* 39 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ክትንበዩ ብቐጻሊ ጽዓቱ፣+ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልክሉ።+ 40 ግናኸ፡ ኵሉ ብኣገባብን ብስርዓትን ይኹን።+ 9 ሓራ ደይኰንኩን፧ ሃዋርያ ደይኰንኩን፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስከ ኣይረኣኽዎን ድየ፧+ ንስኻትኩምከ ብጐይታ ዕዮይ ደይኰንኩምን፧ 2 ብጐይታ ሃዋርያነተይ ዜረጋግጽ ማሕተም ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ንኻልኦት ሃዋርያ እኳ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንዓኻትኩምሲ ሃዋርያኹም እየ። 3 ነቶም ዚምርምሩኒ መጐተይ እዚ እዩ፦ 4 ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል* የብልናን ኢና፧ 5 ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን+ ኬፋን*+ ዚገብርዎ፡ ኣማኒት ሰበይቲ* ኣእቲና ምሳና ኸነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧+ 6 ወይስ ኣነን በርናባስን+ ጥራይ ዲና ንመነባብሮና ዚኸውን ዕዮ ኽንሓድግ መሰል ዘይብልና፧ 7 እንታዋይ ወተሃደር እዩ ብገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዜገልግል፧ ወይኒ ተኺሉ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧+ ወይስ መጓሰ እናጓሰየ፡ ካብ ጸባ እተን መጓሰ ዘይሰቲ መን እዩ፧ 8 እዚ ኸም ኣተሓሳስባ ሰብ ድየ ዝዛረብ ዘለኹ፧ ወይስ ሕጊ እውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧ 9 ከመይሲ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ “ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣብዑር ድዩ ሓልዩ፧ 10 ወይስ ብሱሩ ምእንታና ደይኰነን ዚብል ዘሎ፧ እቲ ዚሓርስን እቲ ዜኽይድን ገግዲኦም ከም ዚረኽቡ ተስፋ ገይሮም ኪዓይዩ ስለ ዘለዎም፡ ምእንታና እዩ ተጻሒፉ። 11 ኣባኻትኩም መንፈሳዊ ነገራት ካብ ዘራእና፡ ስጋዊ ደገፍ ካባኻትኩም እንተ ዓጸድናዶ ይበዝሓና እዩ፧+ 12 ካልኦት ብኣኻትኩም ኪድገፉ መሰል* እንተ ኣልይዎም፡ ንሕናዶ ግዳ ዝያዳ የብልናን፧ ግናኸ፡ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ምእንቲ ኸይንዓግት፡ ኵሉ ንጻወር ኣለና እምበር፡+ ነዚ መሰል እዚ ኣይተጠቐምናሉን።+ 13 እቶም ቅዱስ ዕዮ ዚዓይዩ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ብስሩዕ ዜገልግሉ እውን ካብቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 14 ከምኡ ድማ ጐይታ፡ እቶም ብስራት ዚሰብኩ በቲ ብስራት ኪናበሩ ኣዚዙ እዩ።+ 15 ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰናድዎ ሓንቲ እኳ ኣይተጠቐምኩን።+ ከምኡ ምእንቲ ኺግበረለይ ኢለ እውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሓፍኩ፣ ሓደ እኳ ነቲ መመክሕየይ ከንቱ ኻብ ዚገብሮስ፡ ሙማት ይሕሸኒ!+ 16 ኣነ አበስር እንተ ኣለኹ፡ ግዲ ዀይኑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። እንተ ዘየበሲረ ግና፡ ወይለይ!+ 17 እዚ ፈትየ እንተ ገይረዮ፡ ዓስቢ ኣሎኒ፣ ግናኸ፡ ዋላ እኳ ኸይፈቶኹ እንተ ገይረዮ፡ እዚ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዚ ብሕድሪ ተዋሂቡኒ እዩ።+ 18 ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ ከበስር ከለኹ፡ ነቲ ኣብቲ ብስራት ዘሎኒ ስልጣን* ከይብለጸሉ፡ ነቲ ብስራት ብናጻ ምስባኸይ እዩ። 19 ካብ ኵሉ ሰብ ሓራ ኽነሰይሲ፡ ንመብዛሕትኦም ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዅሎም ገይረያ ኣለኹ። 20 ንኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀይነ፣+ ትሕቲ ሕጊ ንዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀይነ።+ 21 ሕጊ ንዘይብሎም ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስቶም ሕጊ ዘይብሎም፡ ብክርስቶስ ትሕቲ ሕጊ እምበር፡+ ብኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቶም ሕጊ ዘይብሎም ኰይነ። 22 ንድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰይነ።+ ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኵሉ ዀይነ። 23 እዚ ዅሉ ግና ምእንቲ እቲ ብስራት፡ ማለት ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍሎ ኢለ እየ ዝገብሮ።+ 24 ኣብ ቅድድም፡ ኵሎም ጐየይቲ ኸም ዚጐይዩ፡ ነታ ሽልማት ግና ሓደ ጥራይ ከም ዚወስዳዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትዕወቱ፡ ከምኡ ጕየዩ።+ 25 ዚወዳደር ዘበለ ዅሉ ድማ ብዅሉ ነገር ርእሱ ይገትእ እዩ። ንሳቶምሲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም ከምኡ ዚገብሩ፣+ ንሕና ግና ዘይሓልፍ።+ 26 ስለዚ፡ ብዘይ ዕላማ ኣይኰንኩን ዝጐዪ ዘለኹ፣+ ንንፋስ ከም ዝወቅዕ ከኣ ኣይኰንኩን ዘጕስጥ ዘለኹ፣ 27 ንኻልኦት ምስ ሰበኽኩ፡ ኣነ ባዕለይ ዘይብቑዕ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንሰብነተይ አጕስጦን* አግዝኦን ኣለኹ።+ 13 ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይ ጨርባሕ ከም ዚብል ጸናጽል ሸሓኒ ምዀንኩ። 2 ውህበት ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ቕዱስ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡+ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡ ከንቱ* ምዀንኩ።+ 3 ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት ከብልዕ ኢለ እንተ ዝህብ፡+ ምእንቲ ኽምካሕ እውን ሰብነተይ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ግና እንተ ዘይብለይ፡+ ሓንቲ እኳ ኣይምተጠቐምኩን። 4 ፍቕሪ+ ዓቃልን+ ለዋህን+ እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡+ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡+ 5 ስዲ ኣይኰነትን፡+ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡+ ኣይትቝጣዕን፡+ ኣይትቕየምን*+ እያ። 6 ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ።+ 7 ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡+ ኵሉ ትኣምን፡+ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡+ ኵሉ ትጻወር።+ 8 ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ። ግናኸ፡ ውህበት ትንቢት እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ኺሰዓር፣ ቋንቋታት* እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ኺውዳእ፣ ፍልጠት እንተ ኣልዩ እውን፡ ንሱ ኺስዓር እዩ። 9 ከመይሲ፡ ብኸፊል ንፈልጥን+ ብኸፊል ንንበን ኣለና፣ 10 እቲ ምልኣት ምስ መጸ ግና፡ እቲ ኸፊል ኪሰዓር እዩ። 11 ቈልዓ ኸለኹ፡ ከም ቈልዓ እዛረብ፡ ከም ቈልዓ እሓስብ፡ ከም ቈልዓ እመራመር ነይረ፣ ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ ነቲ ነገር ቈልዓ ሓዲገዮ። 12 ሕጅስ ብመስትያት ብረት ዘይንጹር ምስሊ ንርኢ ኣለና፣ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና። ሕጂ ብኸፊል እፈልጥ ኣለኹ፣ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ ብልክዕ እተፈለጥኩ፡ ብልክዕ ክፈልጥ እየ። 13 ግናኸ ሕጂ፡ እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚአን ይነብራ፣ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።+ 5 አረ ምንዝርና*+ ይውረየልኩም ኣሎ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ምንዝርናስ* ኣብ ኣህዛብ እኳ የልቦን፣ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ሰበይቲ ኣቦኡ ኣእትዩ ኣሎ።*+ 2 በዚኸ ትሕበኑዶ ኣለኹም፧ እቲ እዚ ግብሪ እዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕሲ፡+ ክትሓዝኑዶ ኣይምተገብኣኩምን፧+ 3 ኣነ ግና ብኣካል ኣብኡ እኳ እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም እየ፣ ነቲ እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ ምሳኻትኩም ከም ዘለኹ ዀይነ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ። 4 ብስም ጐይታና የሱስ ክትእከቡ ኸለኹም፡ ኣነ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ምሳኻትኩም ምዃነይ ፈሊጥኩም፡ 5 መንፈስ* ብመዓልቲ ጐይታ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡+ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንጥፍኣት ስጋ* ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ።+ 6 ትምክሕትኹም ጽቡቕ ኣይኰነን። ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ ከም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 7 ክርስቶስ እቲ ገንሸል* ፋስጋና+ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡+ ከምቲ ሕጂ ዘለኹምዎ፡ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣወግድዎ። 8 ስለዚ፡ ብኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ ክፍኣትን እከይን ዘይኰነስ፡ ብቕጫ ግርህነትን ሓቅን ነብዕል።+ 9 ኣብ ደብዳበይ፡ ምስ ኣመንዝራታት* ደጊም ከይትጽምበሩ* ጽሒፈልኩም ነይረ፣ 10 ግናኸ ብሱሩ ምስ ኣመንዝራታት* እዛ ዓለም እዚኣ+ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ ኣምለኽቲ ጣኦት ማለተይ ኣይኰነን። እንተ ዘይኰነስ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ።+ 11 ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡* ወይ ስሱዕ፡+ ወይ ኣምላኺ ጣኦት፡ ወይ ተጻራፊ፡ ወይ ሰኽራም፡+ ወይ ዘራፊ+ ዝዀነ ደጊም ከይትጽምበሩ፡*+ ምስ ከምዚ ዝበለ ኸኣ ከቶ ኸይትበልዑ፡ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። 12 ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዝፈርድሲ እንታይ ገዲሱኒ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱኸ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧ 13 ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዚፈርዶም ግና ኣምላኽ እዩ።+ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ።”+ 15 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ዘበሰርኩኹምን+ እተቐበልኩምዎን ቌምኩምሉ ዘለኹምን ብስራት አዘኻኽረኩም ኣለኹ። 2 ነቲ ዘበሰርኩኹም ኣጽኒዕኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹም እውን፡ ብእኡ ትድሕኑ ኣለኹም፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ንኸንቱ ኢኹም ኣሚንኩም። 3 እቲ እተቐበልክዎስ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣመሓላሊፈልኩም እየ፣ ማለት ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞይቱ እዩ፣+ 4 ተቐቢሩ ኸኣ እዩ፣+ ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ድማ፡+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ+ ተንሲኡ እዩ፣+ 5 ንኬፋ፡*+ ደሓር እውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእይዎም።+ 6 ድሕሪኡ፡ ካብ 500 ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእይዎም፣+ መብዛሕትኦም ክሳዕ ሎሚ ኣለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ሞይቶም* ኣለዉ። 7 ድሕሪኡ፡ ንያእቆብ፡+ ድሕሪኡ ኸኣ ንዅሎም ሃዋርያት ተራእይዎም።+ 8 ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንዓይ፡+ ከም ንቝላዕ ተራእዩኒ። 9 ኣነስ ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፣ ንጉባኤ ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ ኸኣ፡ ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን።+ 10 ብጸጋ ኣምላኽ ግና ከምዚ ዀይነዮ ዘለኹ ዀይነ ኣለኹ። እቲ ንዓይ እተዋህበ ጸጋኡ ድማ ከንቱ ኣይኰነን፣ እኳ ደኣስ፡ ሓለፋ ዅላቶም ጽዒረ እየ፣ ግናኸ፡ እቲ ምሳይ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። 11 እምበኣር፡ ኣነ ዀንኩ ንሳቶም፡ ከምዚ ጌርና ኢና እንሰብኽ፡ ከምዚ ጌርኩም ከኣ ኢኹም እትኣምኑ። 12 ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኻብ ዚስበኽ ደኣ፡+ ከመይ ኢሎም እዮም ገለ ኻባኻትኩም፡ ‘ትንሳኤ ምዉታት የልቦን’ ዚብሉ ዘለዉ፧ 13 ትንሳኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ እውን ኣይተንስአን። 14 ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ስብከትና ኸንቱ እዩ፣ እምነትኩም እውን ከንቱ እያ። 15 ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ዘየተንስኦ ክርስቶስ ከም ዘተንስኦ ስለ ዝመስከርና፡+ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና።+ 16 ከመይሲ፡ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖም፡ ክርስቶስ እውን ኣይተንስአን። 17 ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዀይኑ ድማ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፣ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣለኹም።+ 18 እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ኣልይዎም ዝሞቱ* እውን ጠፊኦም እዮም።+ 19 ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ጌርና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና። 20 ሕጂ ግና፡ ክርስቶስ በዅሪ እቶም ዝሞቱ* ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ።+ 21 ከመይሲ፡ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡+ ትንሳኤ ምዉታት እውን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ።+ 22 ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡+ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም።+ 23 ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፦ ክርስቶስ ከም በዅሪ፣+ ደሓር ከኣ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን።+ 24 ቀጺሉ፡ ንዅሉ መንግስትን ንዅሉ ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ ነታ መንግስቲ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ምስ ኣረከባ፡ መወዳእታ ይኸውን።+ 25 ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ንዅሎም ጸላእቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብረሉ፡ ኪነግስ ይግብኦ እዩ።+ 26 እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ።+ 27 ከመይሲ፡ ኣምላኽ “ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዚእዎ እዩ።”+ ‘ኵሉ ተገዚእዎ’ ኺብል ከሎ ግና፡+ እዚ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኸም ዘየጠቓልል ርዱእ እዩ።+ 28 ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡+ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዘኦ ኺግዛእ እዩ።+ 29 እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ምእንቲ ኺሞቱ ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧+ ብሱሩ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ፡ ስለምንታይ ደኣ ኸምኡ ኪዀኑ ኢሎም ዚጥመቑ፧ 30 ስለምንታይከ ዅሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ እንኸውን፧+ 31 መዓልቲ መዓልቲ ምስ ሞት እጓነፍ እየ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ድማ ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ብኣኻትኩም ዘሎኒ ፍስሃ፡ እተረጋገጸ እዩ። 32 ከም ካልኦት ሰባት* ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡+ እንታይ ይጠቕመኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን።”+ 33 ኣይትታለሉ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ* የበላሽዎ እዩ።+ 34 ገሊኦም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንጽድቂ ንቕሑ፡ ብሓጢኣት እውን ኣይትመላለሱ። ከሕፍረኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። 35 ሓደ ግና፡ “ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ኣካልከ እዮም ዚመጹ፧” ይብል ይኸውን።+ 36 ኣታ ዓሻ፡ እቲ እትዘርኦ ኸይሞተ ህያው ኣይከውንን እዩ። 37 እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ዘርኢ ጥራይ እምበር፡ እቲ ኣካል ዚኸውን ኣይኰንካን እትዘርእ፣ 38 ኣምላኽ ግና ከም ዝደለዮ ገይሩ እዩ ኣካል ዚህቦ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢ እውን ኣኣካሉ ይህቦ። 39 ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ ኸብቲ በይኑ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳ እውን በይኑ እዩ እምበር፡ ኵሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። 40 ሰማያውያን ኣካላት ድማ ኣለዉ፡+ ምድራውያን ኣካላት ከኣ ኣለዉ፣+ ግናኸ፡ ክብሪ እቶም ሰማያውያን ኣካላት በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያን ኣካላት እውን በይኑ እዩ። 41 ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡+ ክብሪ ኸዋኽብቲ እውን በይኑ እዩ፣ እኳ ደኣ፡ ብኽብርስ ኰዀብ ካብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ። 42 ትንሳኤ ምዉታት እውን ከምኡ እዩ። ብዚሓልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሓልፍ ይትንስእ።+ 43 ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ።+ ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ።+ 44 ስጋዊ ኣካል ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ኣካል ይትንስእ። ስጋዊ ኣካል ካብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ኣካል እውን ኣሎ። 45 ስለዚ፡ “እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ፍጡር* ኰነ” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም፡ ህያው ዚገብር መንፈስ ኰይኑ እዩ።+ 46 ግናኸ፡ ቅድም እቲ ስጋዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፣ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። 47 እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ፡ ካብ ሓመድ እተገብረ እዩ፣+ እቲ ኻልኣይ ሰብ ካብ ሰማይ እዩ።+ 48 ከምቲ ኻብ ሓመድ እተገብረ፡ እቶም ካብ ሓመድ እተገብሩ እውን ከምኡ እዮም፣ ከምቲ ሰማያዊ ድማ፡ እቶም ሰማያውያን እውን ከምኡ እዮም።+ 49 ከምቲ ምስሊ እቲ ኻብ ሓመድ እተገብረ ዝለበስና፡+ ምስሊ እቲ ሰማያዊ እውን ክንለብስ ኢና።+ 50 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይክእል፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሓልፍ ኪወርስ ከም ዘይክእል፡ እዚ እብለኩም ኣለኹ። 51 እንሆ፡ ቅዱስ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፦ ኵላትና ኽንልወጥ ኢና እምበር፡ ኵላትና ኣይክንመውትን* ኢና፣+ 52 እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ኣብ እትንፍሓሉ እዋን፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና። እታ መለኸትሲ ኽትንፋሕ እያ፡+ ምዉታት ድማ ብዘይሓልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕና እውን ክንልወጥ ኢና። 53 ከመይሲ፡ እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ፣+ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ ይግብኦ እዩ።+ 54 እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲ እውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ኸምዚ ዚብል ጽሑፍ ኪፍጸም እዩ፦ “ሞት ንዘለኣለም ተዋሒጡ።”+ 55 “ኣታ ሞት፡ ዓወትካ ኣበይ ኣሎ፧ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧”+ 56 መንደፍ ሞትሲ ሓጢኣት እዩ፣+ ሓይሊ ሓጢኣት ከኣ ሕጊ እዩ።*+ 57 ግናኸ፡ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዓወት ዝሃበና ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ!+ 58 ስለዚ፡ ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ ጽኑዓት፡+ ዘይትነቓነቑ ኹኑ፣ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም ከኣ፡+ ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃሉኹም።+ 3 ከም ብሓድሽዶ ርእስና ኽንንእድ ንጅምር ኣለና፧ ወይስ ከም ገሊኦም፡ ናባኻትኩም ወይ ካባኻትኩም ዚልኣኻ ዚንእዳና ደብዳበታትዶ* የድልያና እየን፧ 2 ኣብ ልብና እተጻሕፈትን ኵሉ ሰብ ዚፈልጣን ዜንብባን ደብዳበናስ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኢኹም።+ 3 ከመይሲ፡ ንስኻትኩም ብኣና ብኣገልገልቲ+ ኣቢልኩም ብቐለም ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እቲ ህያው ኣምላኽ፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይኰነስ፡+ ኣብ ጽላት ስጋ፡ ማለት ኣብ ልቢ+ እተጸሓፍኩም ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ። 4 ብክርስቶስ ከኣ ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እምንቶ ኣሎና። 5 ብቕዓትና ኻብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና ጌርና ኽንሓስብ ብርእስና ብቕዓት የብልናን።+ 6 ጽሑፍ ሕጊ ንሞት ይዅንን፡+ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡+ ንሱ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ዘይኰነስ፡+ ናይ መንፈስ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን+ ብቑዓት ገይሩና እዩ። 7 ደቂ እስራኤልሲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገጽ ሙሴ ዘንጸባረቐ ሓላፊ ኽብሪ፡ ገጹ ኺጥምቱ ኣይከኣሉን፣+ እቲ ሞት ዜስዕብን ኣብ ኣእማን ብፊደላት እተቐርጸን ሕጊ+ እውን ብኸምዚ ዝበለ ኽብሪ ኻብ መጸ፡ 8 እቲ ኣገልግሎት መንፈስ+ ግዳ ስለምንታይ ዝያዳ ኽብሪ ዘይህልዎ፧+ 9 እቲ ዅነኔ ዜስዕብ ሕጊ+ ኽቡር እንተ ነይሩስ፡+ እቲ ኣገልግሎት ጽድቂ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይከብር!+ 10 እቲ ኽቡር ዝነበረ እኳ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብኡ ዚበልጽ ክብሪ፡ ክብሩ ተቐንጢጡ ኣሎ።+ 11 ምኽንያቱ፡ እቲ ሓላፊ ብኽብሪ ኻብ መጸ፡+ ክብሪ እቲ ነባሪ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ዘይበልጽ!+ 12 ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡+ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣለና፣ 13 ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኣተኲሮም ከይጥምቱ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ መጐልበቢ ዚገብር ዝነበረ፡+ ኣይንገብርን ኢና። 14 ግናኸ፡ እቲ ብሉይ ኪዳን ኪንበብ ከሎ፡ እቲ ብክርስቶስ ጥራይ ዚቕንጠጥ+ መጐልበቢ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡+ ኣእምሮኦም ደንዚዙ እዩ።+ 15 ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ሙሴ ኺንበብ ከሎ፡+ መጐልበቢ ንልቦም ይሽፍኖ ኣሎ።+ 16 ሓደ ናብ የሆዋ* ምስ ዚምለስ ግና፡ እቲ መጐልበቢ ይቕንጠጥ እዩ።+ 17 የሆዋ* መንፈስ እዩ፣+ ኣብቲ መንፈስ የሆዋ* ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።+ 18 ኵላትና ብዘይተጐልበበ ገጽ፡ ክብሪ የሆዋ* ኸም መስትያት እናኣንጸባረቕና ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ በቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ* ዚግበር፡* ካብ ሓደ ደረጃ ኽብሪ ናብ ካልእ ደረጃ ኽብሪ* ናብቲ ምስሊ እቲ ንልወጥ ኢና።+ 7 እምበኣር፡ ፍቑራተየ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ሃለወናስ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ናብ ፍጹም ቅድስና እናበጻሕና፡ ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።+ 2 ኣብ ልብኹም ቦታ ሃቡና።+ ንሓደ እኳ ኣይበደልናን፡ ንሓደ እኳ ኣየበላሸናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን።+ 3 ምሳና ንሙማትን ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘለኹምሲ፡ ኣቐዲመ ኢለ ኣለኹ እሞ፡ ክዅንነኩም ኢለ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ። 4 ንዓኻትኩም ብብዙሕ ትብዓት ክዛረበኩም እኽእል እየ። ብኣኻትኩም ብዙሕ እምካሕ እየ። ብምጽንናዕ ተመሊአ፡ ኣብ ኵሉ ጸበባና ኸኣ ኣዝየ ብዙሕ ተሓጒሰ ኣለኹ።+ 5 ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና እኳ፡+ ኣብ ወጻኢ ቓልሲ፡ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሂ ስለ ዝነበረና፡ ብዅሉ ደኣ ጸቢቡና ነይሩ እምበር፡ ዕረፍትስ ኣይረኸብናን።* 6 እቲ ንእተደቝሱ ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና፡+ ቲቶስ ኣብዚ ኸም ዚህሉ ብምግባር፡ ኣጸናኒዑና እዩ፣ 7 ንሱ ብዛዕባ እቲ ናፍቖትኩምን ሓዘንኩምን ንዓይ ዘሎኩም ብዙሕ ሓልዮትን* ደሃይ ሒዙ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ እውን እምበር፡ ኣብዚ ብምህላዉ ጥራይ ኣይኰንናን እተጸናናዕና፣ ስለዚ፡ ኣዝየ ተሓጒሰ እየ። 8 በታ ደብዳበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡+ ኣይጥዓስን እየ። ኣብ ፈለማ እኳ እንተ ተጥዓስኩ፡ (እታ ደብዳበ እቲኣ፡ ንግዜኡ ጥራይ ደኣ እዩ እምበር፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ ኣለኹ እሞ፡) 9 ሕጅስ ስለ ዝጐሃኹም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንስሓ ስለ ዝጐሃኹም እሕጐስ ኣለኹ። ከመይሲ፡ ብኣና ብገለ ምእንቲ ኸይትጕድኡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሃኹም። 10 ማለት፡ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ናብ ድሕነት ዚመርሕ ዘይትጥዓሰሉ ንስሓ እዩ ዜፍሪ፣+ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜፍሪ። 11 እንሆ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጕሃይኩም፡ ክንደይ ጸዓት፡ ክንደይ ምጽራይ ርእስኹም፡ ክንደይ ቍጥዓ፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መአረምታ እዩ ኣምጺኡልኩም!+ በዚ ነገር እዚ፡ ብዅሉ ንጹሃት ምዃንኩም ኣርኢኹም ኢኹም። 12 እንተ ጸሓፍኩልኩም እኳ፡ ስሌና እትጽዕትዎ ጸዓት ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ+ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ። 13 ስለዚ ድማ ኢና ተጸናኒዕና ዘለና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕ ድማ፡ ቲቶስ ብዅላትኩም መንፈሱ ስለ ዝቐሰነ፡ ብሓጐሱ ኣዚና ተሓጒስና ኢና። 14 ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ተመኪሐ እንተ ዀይነ፡ ኣይሓፈርኩን፣ ከምቲ ዅሉ እቲ ዝነገርናኩም ሓቂ ዝዀነ ግና፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ቅድሚ ቲቶስ እተመካሕናዮ ሓቂ ዀይኑ ኣሎ። 15 ኵላትኩም ከም እተኣዘዝኩምን+ ከመይ ጌርኩም እናፈራህኩምን ራዕራዕ እናበልኩምን ከም እተቐበልኩምዎን እናዘከረ፡ ንዓኻትኩም ዘለዎ ልባዊ ፍቕሪ በዚሑ ኣሎ። 16 ብዅሉ ኣባኻትኩም እምንቶ ስለ ዘሎኒ፡* እሕጐስ እየ። 12 ክምካሕ ኣሎኒ። እዚ ዘይጠቕመኒ ኽነሱ፡ ናብ ራእያትን+ ግልጸታትን ጐይታ+ ኽሓልፍ እየ። 2 ቅድሚ 14 ዓመት፡ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ሰብ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተመንዝዐ እፈልጥ እየ፣ ብስጋ ይኹን ወይስ ካብ ስጋ ወጻኢ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። 3 ከምዚ ዝበለ ሰብ እፈልጥ እየ፣ ብስጋ ይኹን ወይስ ብዘይ ስጋ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፣ 4 ንሱ ናብ ገነት ተመንዚዑ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ዘይንገር ቃላት እውን ሰሚዑ። 5 ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ሰብ ክምካሕ እየ፣ ብዛዕባ ርእሰይ ግና፡ ብዛዕባ ድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። 6 ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ስለ ዝዛረብ፡ ኣይምዓሸኹን ነይረ። ግናኸ፡ ሓደ እኳ ኻብቲ ኣባይ ዚርእዮ ወይ ካብቲ ኻባይ ዚሰምዖ ንላዕሊ ገይሩ ኸይቈጽረኒ፡ ከምኡ ኣይገብርን እየ፣ 7 ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእያት፡ ሓደ እኳ ኣብሊጹ ኣይርኣየኒ። ምእንቲ ኸይዕበ፡ ኣብ ስጋይ እሾዅ ተዋሂቡኒ፣+ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪጸፋፍዓኒ* ተዋሂቡኒ። 8 እዚ ኻባይ ምእንቲ ኺርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለሚነዮ። 9 ንሱ ግና፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ፍጹም ዚኸውን እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ” ኢሉኒ።+ እምበኣር፡ ሓይሊ ክርስቶስ ከም ድንኳን ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብዛዕባ ድኻመይ ብብዙሕ ታሕጓስ ክምካሕ እየ። 10 ስለዚ፡ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡+ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ፡ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብስእነት፡ ብመስጐጕትን ብጸገምን ባህ ይብለኒ እዩ። 11 ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያትኩም ብሓንቲ እኳ ስለ ዘይሓመቕኩ፡ ክትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ።+ ግናኸ፡ ንስኻትኩም ኣገዲድኩምንስ፡ ዓሽየ እየ። 12 ምልክታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብርታት ሓይልን+ ኣብ መንጎኹም ብዅሉ ተጻዋርነት ተገይሩ እዩ።+ 13 ብዘይካ እቲ ኣነ ባዕለይ ንዓኻትኩም ጾር ዘይምዃነይሲ፡ ካብ ካልኦት ጉባኤታት እንታይ ጐዲሉኩም፧+ እዛ በደል እዚኣ፡ ብለውሃት ይቕረ በሉለይ። 14 እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝዳሎ፡ እዚ ሳልሳይ ግዜ እዩ። ወለዲ ንውሉዳቶም እምበር፡ ውሉዳት+ ንወለዶም ገንዘብ ኬዋህልሉሎም ትጽቢት ስለ ዘይግበረሎም ከኣ፡ ንዓኻትኩም እምበር፡ ገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘለኹ እሞ፡+ ጾር ኣይክዀነኩምን እየ። 15 ኣነስ ምእንታኹም* ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ኽውፍየልኩም፡ ገዛእ ርእሰይ እውን ክውፍየልኩም እየ።+ ኣዝየ ኻብ ኣፍቀርኩኹምዶ፡ ዝወሓደ እፍቀር፧ 16 ዝዀነ ዀይኑ፡ ጾር ኣየኽበድኩልኩምን።+ ንስኻትኩም ግና፡ “ጐራሕ” ከም ዝዀንኩን “ብጥበራ” ኸም ዝሓዝኩኹምን ትብሉ ኣለኹም። 17 በቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፧ 18 ንቲቶስ ተማሕጺነዮ፡ ምስኡ እውን ሓደ ሓው ልኢኸ እየ። ቲቶስዶ ተበሊጹልኩም እዩ፧+ ብሓደ መንፈስን ብሓደ ኣሰርን ደይኰንናን እንመላለስ፧ 19 ኣብዚ ዅሉስ ንርእስና ኣብ ቅድሜኹም ንማጐተላ ኸም ዘለና ዲኹም ትሓስቡ ዘለኹም፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ሓድነት ኢና እንዛረብ ዘለና። ግናኸ፡ ፍቑራተየ፡ ኵሉ ንምህናጽኩም ኢና እንገብሮ። 20 ምስ መጻእኩ፡ ምናልባት ኣነ ኸምቲ ዘይደለኽዎ ዄንኩም ከይረኽበኩም፡ ንዓይ እውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባት ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ግርጭት፡ ሕሜት፡ ሕሹዅሹዅ፡* ብትዕቢት ምንፋሕ፡ ህውከት ከይከውን እፈርህ ኣለኹ። 21 ምስ ተመለስኩ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም የዋርደኒ ይኸውን፣ ኣነ እውን በቶም ኣቐዲሞም ዝሓጥኡ፡ ግናኸ ኻብቲ ዝገበርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን* ንውርምናን* ዘይተነስሑ እሓዝን እኸውን። 1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ምስ ኵሎም እቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ+ ዘለዉ ቕዱሳት፦ 2 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 3 እቲ ኣቦ ርሕራሐን+ ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን+ ዝዀነ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ+ ይወደስ። 4 በቲ ኻብ ኣምላኽ እንረኽቦ ምጽንናዕ፡+ ኣብ ጸበባ* ዘበለ ንዘለዉ ምእንቲ ኸነጸናንዕ፡+ ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና* የጸናንዓና* እዩ።+ 5 ከምቲ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ ዜጓንፈና መከራ ኣባና ዚዓዝዝ ዘሎ፡+ ከምኡ ድማ እቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ ምጽንናዕ ይዓዝዝ ኣሎ። 6 ስለዚ፡ እንተ ጸቢቡና፡* ንምጽንናዕኩምን ንድሕነትኩምን እዩ፣ ወይስ እንተ ተጸናኒዕና፡ ከምቲ ንሕና ዘሕለፍናዮ ዝኣመሰለ መከራ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ንምጽንናዕኩም እዩ። 7 ከምቲ ተኻፈልቲ መከራ ዝዀንኩም፡ ከምኡ ኸኣ ተኻፈልቲ ምጽንናዕ ከም እትዀኑ ፈሊጥና፡+ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ጽንዕቲ እያ። 8 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘጋጠመና ጸበባ፡+ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ልዕሊ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና።+ 9 ንሞት ከም እተፈርደና እውን ተሰሚዑና ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንእመን* እዩ።+ 10 ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚኣክል ሓደጋ ሞት ኣናጊፉና፡ ኬናግፈና ድማ እዩ፣ ገና እውን ከም ዜናግፈና፡ ኣብኡ ተስፋ ኣሎና።+ 11 ብዙሓት ነቲ ሳላ ጸሎት ብዙሓት ዝረኸብናዮ ሞገስ ምእንታና ምእንቲ ኼመስግኑሉ፡+ ንስኻትኩም እውን ብምህለላኹም ክትድግፉና ትኽእሉ ኢኹም።+ 12 ከመይሲ፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኸኣ ምሳኻትኩም፡ ብስጋዊ ጥበብ ዘይኰነስ፡+ ብጸጋ ኣምላኽ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ቕድስናን ግርህነትን ከም ዝነበርና፡ ትምክሕትና እዚ እዩ፣ ሕልናና እውን ይምስክረልና እዩ። 13 ብዘይካ እቲ ኸተንብብዎን ክትርድእዎን እትኽእሉሲ፡* ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና፣ ነዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ* ክትርድእዎ ተስፋ እገብር። 14 ከምቲ ንስኻትኩም እውን ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ንዓና ትምክሕትና እትዀኑ፡ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብእተወሰነ ተረዲኡኩም ኣሎ። 15 በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ካልኣይ ሳዕ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡* ቅድም ናባኻትኩም ክመጽእ ሓሲበ ነይረ፣ 16 እወ፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፡ ካብ መቄዶንያ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እሞ፡ ንስኻትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ።+ 17 ከምዚ ኢለ ምስ ሓሰብኩስ፡ ነዚ ኣቕሊለ ድየ ርእየዮ፧ ወይስ “እወ፡ እወ” ኽብል ጸኒሐ፡ “ኣይፋል፡ ኣይፋል” እናበልኩ ብስጋዊ መገዲ ድየ ዕላማ ዝገብር፧ 18 ከምቲ ኣምላኽ እሙን ዝዀነ፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝበልናኩም፡ “እወ” መሊስካ ኸኣ “ኣይፋል” ኣይኰነን። 19 ከመይሲ፡ እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ብስልዋኖስን* ብጢሞቴዎስን ኣባኻትኩም እተሰብከ+ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ “እወ” መሊስካ ኸኣ “ኣይፋል” ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ ኣብኡ “እወ፡ እወ” ዀይኑ እዩ። 20 ተስፋታት ኣምላኽ ዘበለስ ብእኡ “እወ” ዀይኑ እዩ።+ ስለዚ ኸኣ፡ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ንኣምላኽ “ኣሜን” ይብሃል እዩ።+ 21 ግናኸ፡ እቲ ንሕናን ንስኻትኩምን ናይ ክርስቶስ ምዃንና ውሕስነት ዝሃበናን ዝቐብኣናን ኣምላኽ እዩ።+ 22 ማሕተም እውን ገይሩልና፡+ ኣብ ልብና ኸኣ ዕርቡን፡ ማለት መንፈስ፡+ ሂቡና ኣሎ። 23 ክሳዕ ሕጂ ናብ ቈረንቶስ ዘይመጻእኩ፡ ክንሕፈኩም ኢለ ምዃነይ፡ ኣምላኽ ኪምስክረለይ* እጽውዕ ኣለኹ። 24 ብእምነት ቌምኩም ኣለኹም እሞ፡ ምእንቲ ኽትሕጐሱ መዓይይትኹም ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም እንጕይተት ኣይኰንናን።+ 8 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ንጉባኤታት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ክትፈልጡ ንደሊ ኣለና።+ 2 ብጸበባ ብዙሕ ኣብ እተፈተኑሉ እዋን፡ እቲ ብዙሕ ሓጐሶምን እቲ ሕሉፍ ድኽነቶምን ንሃብቲ ልግሶም ኣዕዚዝዎ እዩ።* 3 ከመይሲ፡ ከም ዓቕሞም፡+ አረ ሓለፋ ዓቕሞም እውን+ 4 ምእንቲ ኺልግሱን ኣብቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት ረድኤት ምእንቲ ኺካፈሉን፡ ብተበግሶኦም ብዙሕ ከም ዝለመኑና እምስክረሎም እየ።+ 5 ቅድም ንጐይታ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዓና ብፍቓድ ኣምላኽ ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን። 6 ስለዚ ኸኣ፡ ንቲቶስ፡+ ከምቲ ነዚ ዕዮ እዚ ኣባኻትኩም ዝጀመሮ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ልግስኹም ኪፍጽሞ ኣተባቢዕናዮ ኢና። 7 ግናኸ፡ ከምቲ ብዅሉ፡ ማለት ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን በታ ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕርን ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ልግሲ እዚ እውን ዕዙዛት ኩኑ።+ 8 ጸዓት ካልኦት ከፍልጠኩምን ሓቅነት ፍቕርኹም ክዕዘብን እየ እምበር፡ ክእዝዘኩም ኣይኰንኩን እዚ ዝብለኩም ዘለኹ። 9 ምኽንያቱ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ሃብታም ክነሱስ፡ ንስኻትኩም ብድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ምእንታኹም ደኽዩ እዩ።+ 10 ብዛዕባ እዚ፡ ርእይቶይ ክህበኩም፦+ ዓሚ ነቲ ተግባር እቲ ጀሚርኩምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምግባሩ ድሌት ከም ዘሎኩም ስለ ዘርኣኹም፡ እዚ ንጥቕምኹም እዩ። 11 ሕጂ ኸኣ ነቲ ንምግባሩ ዘሎኩም ድሉውነት ከም ዓቕምኹም ምእንቲ ኽትፍጽምዎ፡ ነቲ ኽትገብርዎ ዝጀመርኩም ፈጽምዎ። 12 ቅድም ድሉውነት እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ኣዝዩ ቕቡል እዩ እምበር፡+ ብዘይብሉ ኣይኰነን። 13 ንኻልኦት ከቕልለሎም፡ ንዓኻትኩም ከኣ ከኽብደልኩም ኢለ ኣይኰንኩን፣ 14 የግዳስ፡ ብምምዕርራይ ሕጂ ዘሎ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ምእንቲ ኺምልእ፡ ተረፎም እውን ነቲ ጐደሎኹም ምእንቲ ኺምልእ እሞ፡ ምምዕርራይ ምእንቲ ኪኸውን ኢለ እየ። 15 ከምቲ፡ “እቲ ብዓል ብዙሕ ኣይተረፎ፡ እቲ ብዓል ሒደት እውን ኣይጐደሎ” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ።+ 16 ኣምላኽ ኣብ ልቢ ቲቶስ+ ከምዛ ንዓኻትኩም ዘላትና ብዙሕ ሓልዮት ስለ ዘሕደረ፡ ምስጋና ይኹኖ፣ 17 ምኽንያቱ፡ ንሱ ነቲ እተዋህቦ መተባብዒ ተቐቢሉስ፡ ኣዝዩ ተሃንጥዩ፡ ብተበግሶኡ ናባኻትኩም ይመጽእ ኣሎ። 18 ምስኡ እውን ነቲ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ብስብከት ብስራት እተወደሰ ሓው ንሰድዶ ኣለና። 19 እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዚ ንኽብሪ ጐይታን ክንረድእ ድሉዋት ምዃንና ንምርኣይን እነመሓድሮ ልግሲ መጋይሽትና ኪኸውን ብጉባኤታት ተሸይሙ እዩ። 20 በዚ ኸምዚ፡ ምስዚ ንሕና እነመሓድሮ ብዙሕ ውጽኢት ብእተተሓሓዘ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቕ ኣለና።+ 21 ከመይሲ፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እውን ብቕንዕና ንሓሊ ኣለና።’+ 22 ብዘይካዚ፡ ትጉህ ከም ዝዀነ ብዙሕ ሳዕ ብብዙሕ ነገር ፈቲንና ዘረጋገጽናዮ፡ ሕጂ ኸኣ ስለቲ ኣባኻትኩም ዘላቶ ዓባይ እምንቶ ዝያዳ ትጉህ ዝዀነ ሓውና ምሳታቶም ንሰድዶ ኣለና። 23 ብዛዕባ ቲቶስ ሕቶ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ብጻየይን* ንጥቕምኹም መዓይይተይን እዩ፣ ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀነ እውን፡ ንሳቶም ልኡኻት* ጉባኤታትን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። 24 እምበኣር፡ መርትዖ እታ ንዓታቶም ዘላትኩም ፍቕሪ ኣርእዩ፣+ ብዛዕባኹም ስለምንታይ ከም እተመካሕና ድማ ንጉባኤታት ኣርእይወን። 11 ገለ ቝሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደለኹ። ወረግ፡ ትዕገሱኒ ኣለኹም! 2 ከመይሲ፡ ከም ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡+ ንሓደ ሰብኣይ ሓጽየኩም እየ እሞ፡ ብኣምላኻዊ ቕንኣት* እቐንኣልኩም እየ። 3 ግናኸ፡ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፡+ ኣእምሮኹም ተባላሽዩ ኻብቲ ንክርስቶስ ዚግባእ ግርህነትን ንጽህናን ከይርሕቕ እፈርህ ኣለኹ።+ 4 ስለምንታይሲ፡ ሓደ መጺኡ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ኻልእ የሱስ እንተ ሰቢኹ፡ ወይ ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ኣምጺኡ፡ ወይ ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ ብስራት እንተ ኣምጺኡ፡+ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም። 5 ኣነስ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያትኩም ብሓንቲ እኳ ዝሓምቕ ኣይመስለንን።+ 6 ግናኸ፡ ብዘረባ እኳ ኽኢላ እንተ ዘይኰንኩ፡+ ብፍልጠትሲ ዚጐድለኒ የብለይን፣ እወ፡ ብዅሉን ኣብ ኵሉን ነግህደልኩም ኢና። 7 ወይስ ንስኻትኩም ልዕል ምእንቲ ኽትብሉ፡ ርእሰይ ኣትሒተ ነቲ ብስራት ብናጻ ስለ ዝሰበኽኩልኩምዶ ሓጢአ እየ፧+ 8 ንዓኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ፡ ካብ ካልኦት ጉባኤታት ሓገዝ ብምቕባለይ ወጺዐየን* እየ።+ 9 ምሳኻትኩም ከለኹ ኸኣ፡ ምስ ሰኣንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት ዜድልየኒ ዘበለ ኣማሊኦምለይ እዮም እሞ፡ ንሓደ እኳ ጾር ኣይኰንኩን።+ ብዅሉ ድማ ጾር ምእንቲ ኸይኰነኩም ተጠንቂቐ እየ፡ ክጥንቀቕ እውን እየ።+ 10 ከምቲ ሓቂ ክርስቶስ ብርግጽ ኣባይ ዘሎ፡ ብዛዕባ ዞባታት ኣካይያ ኻብ ምምካሕ ኣየቋርጽን እየ።+ 11 ስለምንታይ፧ ስለ ዘየፍቅረኩም ድየ፧ ከም ዘፍቅረኩምሲ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። 12 ግናኸ፡ ነቶም በቲ ዚምክሑሉ ነገራት* ማዕረና ኪዀኑ ምኽንያት ዚደልዩ፡ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ዘለኹ ኽገብሮ እየ።+ 13 እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉስ፡ ናይ ሓሶት ሃዋርያት፡ ዜታልሉ ዓየይቲ፡ ንርእሶም ከም ሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።+ 14 ሰይጣን እኳ፡ ንርእሱ ኸም መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።+ 15 እምበኣር፡ እቶም ኣገልገልቱ፡ ንርእሶም ከም ኣገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሲሎም፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን። መወዳእታኦም ግና፡ ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።+ 16 ከም ብሓድሽ ከኣ እብል ኣለኹ፦ ሓደ እኳ፡ ዓሻ ኸም ዝዀንኩ ኣይምሰሎ። እንተ መሲሉኩም ግና፡ ኣነ እውን ገለ ቝሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። 17 እዚ ብርእሰ ምትእምማን ተመኪሐ ዝዛረቦ ዘለኹ፡ ከም ዓሻ እምበር፡ ኣብነት ጐይታ ስዒበ ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። 18 ብዙሓት ከም ስጋ* ኻብ ዚምክሑ፡ ኣነ እውን ክምካሕ እየ። 19 ንስኻትኩም ያኢ ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሹ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኢኹም። 20 ከም ባርያ ንዝገበረኩም ዘበለ፡ ንብረትኩም ንዝወሓጠ ዘበለ፡ ዘሎኩም ንዝመንዝዐ ዘበለ፡ ንዝዀርዓልኩም ዘበለ፡ ገጽኩም ንዝወቕዓኩም ዘበለ እኳ፡ ትዕገስዎ ኢኹም። 21 ብድኽመት ከም ዝገበርና ስለ ዚመስል፡ ንውርደትና እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። ካልኦት ዚደፍሩ እንተ ዀይኖም ግና፡—ከም ዓሻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ኣነ እውን እደፍር እየ። 22 እብራውያን ድዮም፧ ኣነ እውን እየ።+ እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ እውን እየ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነ እውን እየ።+ 23 ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧ ከም ጽሉል እየ ዝምልስ ዘለኹ፡ ኣነ እበልጾም እየ፦ ሕልፊ ጽዒረ፡+ ዝያዳ ተኣሲረ፡+ ማእለያ ዘይብሉ ተወቒዐ፡ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሐ እየ።+ 24 ብኣይሁድ ሓሙሽተ ሳዕ ን40 ሓደ ጐደል ተገሪፈ እየ፣+ 25 ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ እየ፣+ ሓደ ሳዕ ብዳርባ እምኒ ጨፍጪፎምኒ እዮም፣+ ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰይራ እያ፣+ ለይትን መዓልትን ኣብ ማእከል ባሕሪ ሓዲረን ውዒለን እየ፣ 26 ብዙሕ ሳዕ ኣብ ጕዕዞ፡ ካብ ኣፍላግ ኣብ ሓደጋ፡ ካብ ከተርቲ ኣብ ሓደጋ፡ ካብ ደቂ ዓደይ ኣብ ሓደጋ፡+ ካብ ኣህዛብ ኣብ ሓደጋ፡+ ኣብ ከተማ ኣብ ሓደጋ፡+ ኣብ በረኻ ኣብ ሓደጋ፡ ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓሶት ኣሕዋት ኣብ ሓደጋ ነይረ እየ፣ 27 ብጻዕርን ብልፍዓትን፡ ብዙሕ ግዜ ድቃስ ብምስኣን፡+ ብጥሜትን ብጽምእን፡+ ብዙሕ ግዜ ብዘይ ምግቢ፡+ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ እየ። 28 ኣብ ልዕሊ እዚ ኻብ ወጻኢ ዚመጽእ ነገራት እዚ፡ መዓልቲ መዓልቲ ዚርብጸኒ* ኣሎ፣ እዚ ድማ ንዅለን ጉባኤታት ዝጭነቖ ጭንቀት እዩ።+ 29 መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ እውን ዘይደክም፧ መን እዩ ዚዕንቀፍ፡ ኣነ እውን ዘይነድድ፧ 30 ክምካሕ እንተ ኣሎኒ፡ ብዛዕባ ድኻመይ ክምካሕ እየ። 31 እቲ ንዘለኣለም ዚውደስ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ፡ እሕሱ ኸም ዘየለኹ ይፈልጥ እዩ። 32 ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ሹም ኪሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ የሐልዋ ነይሩ፣ 33 ኣብ ከፈር ገይሮም ግና በቲ ኣብቲ መካበብያ ዘሎ መስኰት ኣውሪዶምንስ+ ካብ ኢዱ ኣምሊጠ። 2 ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ ብጓሂ ኸይመጸኩም ወሲነ ኣለኹ። 2 ንዓኻትኩም እንተ ኣጕህየኩምሲ፡ ንዓይ ብዘይካ እቶም ዘጕሃኽዎም ካልእ ዜሐጕሰኒ መን ኪህሉ እዩ፧ 3 ሓጐሰይ ሓጐስ ኵላትኩም ከም ዝዀነ ብዅላትኩም ስለ ዝተኣማመን፡ ምስ መጻእኩ፡ በቶም ክሕጐሰሎም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኸይጕሂ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። 4 ክሳዕ ክንደይ ኣዝየ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ምእንቲ ኸጕህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን+ ነዚ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሓፍኩልኩም። 5 ንሰብ ዘጕሃየ እንተ ኣልዩ ኸኣ፡+ እምብዛ ደኣ ኸየኽብደሉ እምበር፡ ንዓይ ዘይኰነስ፡ ብእተወሰነ ንዅላትኩም እዩ ኣጕህዩ። 6 ነዚ ኸምዚ ዝበለስ፡ እቲ ኻብ መብዛሕትኹም እተዋህቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ እዩ፣ 7 እኳ ደኣስ፡ ብብዝሒ ጓሂ ምእንቲ ኸይወሓጥ፡+ ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።+ 8 ስለዚ፡ ፍቕርኹም ከተረጋግጹሉ እምዕደኩም ኣለኹ።+ 9 ብዅሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም መርትዖ ምእንቲ ኸተቕርቡ ኢለ እውን እየ ዝጸሓፍኩልኩም። 10 ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፡ ኣነ እውን ይቕረ እብለሉ እየ። እኳ ደኣስ፡ ይቕረ ዝበልክዎ ዘበለ፡ (ማለት ይቕረ ዝበልክዎ እንተ ኣልዩ፡) ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኹም እዩ፣ 11 ማለት ሰይጣን ከይብለጸልና* ኢለ እየ፣+ ምኽንያቱ፡ ውዲቱ* ኣይንስሕቶን ኢና።+ 12 ብስራት ክርስቶስ ምእንቲ ኸበስር ኢለ ናብ ጥሮኣስ+ ምስ መጻእኩ፡ ብጐይታ ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ነይሩ፣ 13 ንቲቶስ+ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፡ መንፈሰይ ኣይቀሰነን። ስለዚ፡ ተሰናቢተዮም ናብ መቄዶንያ ነቒለ።+ 14 ግናኸ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ብሓባር ገይሩ ዅሉ ሳዕ ኣብ ዓጀባ ዓወት ዚመርሓናን ብኣና ኣቢሉ ሽታ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚዝርግሕን* ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። 15 ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን፡ ንኣምላኽ ምዑዝ ሽታ ክርስቶስ ኢና፣ 16 ነቶም ዚጠፍኡ ናብ ሞት ዚመርሕ ሽታ* ሞት፡+ ነቶም ዚድሕኑ ግና ናብ ህይወት ዚመርሕ መዓዛ ህይወት ኢና። ነዚኸ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧ 17 ንሕና ኢና፣ ከመይሲ፡ ካብ ኣምላኽ ተላኢኽና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ብዅሉ ግርህነት ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ዝዀንዎ፡ ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰንናን።*+ 4 ስለዚ፡ በቲ እተገብረልና ምሕረት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኻብ ረኸብና፡ ኣይንሕለልን ኢና። 2 እኳ ደኣስ፡ ነታ ሓቂ እናኣግሃድና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕልና ዅሉ ሰብ ብዚማርኽ መገዲ ርእስና ነርኢ ኣለና እምበር፡ ብጕርሒ ኸይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽ እውን ከይበከልና፡+ ነቲ ዜሕፍር ሕቡእ ነገር ነጺግና ኢና።+ 3 እቲ እነበስሮ ብስራት እተጋረደ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተጋረደ፣ 4 ንዓታቶም እውን፡ ብርሃን እቲ ኽቡር ብስራት ክርስቶስ፡ ንሱ ድማ ምስሊ ኣምላኽ፡+ ምእንቲ ኸየብርሃሎም፡+ ኣምላኽ እዚ ስርዓት* እዚ+ ንኣእምሮ እቶም ዘይኣመንቲ ኣዕዊርዎ ኣሎ።+ 5 ከመይሲ፡ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ምእንቲ የሱስ ባሮትኩም ከም ዝዀንና እምበር፡ ብዛዕባ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘለና። 6 እቲ፡ “ካብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለስ ኣምላኽ እዩ፣+ ንብርሃን እቲ ኽቡር ፍልጠት ኣምላኽ ድማ ብገጽ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብሪህዎ ኣሎ።+ 7 ግናኸ፡ እቲ ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡+ እዚ መዝገብ እዚ+ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣሎና።+ 8 ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ምንቅስቓስ ክሳዕ እንስእን ኣይጸበናን፣ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ መዋጽኦ ዘይብልና ኣይኰንናን፣*+ 9 ንስጐጕ፡ ግናኸ እተራሕራሕና ኣይኰንናን፣+ ተወቒዕና ንወድቕ፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።+ 10 ህይወት የሱስ ኣብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትግሃድ፡ ኵሉ ሳዕ ከምቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ ናብ ሞት ዜብጽሕ መከራ ኣብ ሰብነትና ንጸውር ኣለና።+ 11 ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘለና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ንጋጠም ኣለና።+ 12 ስለዚ፡ ሞት ኣባና ይዓዪ ኣሎ፣ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ። 13 ከምቲ፡ “ኣሚነ፣ ስለዚ፡ ተዛሪበ” ዚብል እተጻሕፈ+ ዓይነት መንፈስ እምነት ስለ ዘሎና፡ ንሕና እውን ንኣምን፡ ስለዚ ኸኣ ንዛረብ ኢና፣ 14 ከምኡ እንገብር ድማ፡ እቲ ንየሱስ ዘተንስኦ፡ ንዓና እውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ፡ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቕርበና ስለ እንፈልጥ ኢና።+ 15 ብዙሓት ተወሰኽቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ብምቕራቦም ብዝሒ እቲ ጸጋ ብዝያዳ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኵሉ እዚ ምእንታኹም እዩ።+ 16 ስለዚ፡ ኣይንሕለልን ኢና፣ ግናኸ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እኳ እንተ ማህመነ፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሰብና መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ ኣሎ። 17 ከመይሲ፡ ጸበባና* ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን እኳ እንተ ዀነ፡ እናዓበየ* ዚኸይድ ናይ ዘለኣለም ክብሪ የምጽኣልና እዩ።+ 18 እቲ ዚርአ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዚርአ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት።+ 6 ጸጋ ኣምላኽ ተቐቢልኩምሲ ዕላማኡ ኸይትስሕትዎ፡+ ምስኡ እናዓየና+ ንምሕጸነኩም ኣለና። 2 ከመይሲ፡ “ብቕብልቲ ግዜ ሰሚዐካ፡ ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዲአካ እየ” ይብል እዩ።+ እንሆ፡ እታ ኣዝያ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ። እንሆ፡ እታ መዓልቲ ድሕነት ሕጂ እያ። 3 ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይንቀፍ፡ ብገለ ነገር እኳ መዐንቀፊ ኸቶ ኣይንህብን ኢና፣+ 4 ግናኸ፡ ብዅሉ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና፣+ ነዚ ድማ ብብዙሕ ተጻዋርነት፡ ብጸበባ፡ ብስእነት፡ ብጭንቂ፡+ 5 ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡+ ብህውከት፡ ብጻዕሪ፡ ድቃስ ብምስኣን፡ ብዘይ ምግቢ፡+ 6 ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡+ ብለውሃት፡+ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ግብዝና ብዘይብላ ፍቕሪ፡+ 7 ብሓቀኛ ዘረባ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ፡+ ብኣጽዋር ጽድቂ+ የማነ* ጸጋም፡* 8 ብኽብርን ብሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ብጽቡቕ ወረን ነርኢ ኢና። ከም መስሓትቲ እናተቘጸርና፡ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና፣ 9 ከም ዘይፍሉጣት፡ ግናኸ ፍሉጣት ኢና፣ እንመውት ከም ዘለና፡* ግናኸ እንሆ፡ ህያዋን ኢና፣+ ከም ቅጹዓት፡* ግናኸ ንሞት ኣይተወፈናን፣+ 10 ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ዅሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፣ ከም ድኻታት፡ ግናኸ ንብዙሓት ነሀብትም ኢና፣ ሓንቲ ኸም ዘይብልና፡ ግናኸ ዅሉ ኣሎና።+ 11 ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ክንዛረበኩምሲ ኣፍና ኸፊትና ኣለና፣* ልብና እውን ጋህ ኣቢልናልኩም ኣለና። 12 ንስኻትኩም ደኣ ኢኹም ፍቕርኹም እትቝጥቡልና ዘለኹም እምበር፡+ ንሕናስ ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕርና ኣይቈጠብናልኩምን።* 13 ከም ምላሹ ኸኣ፡—ከም ንውሉደይ እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡—ንስኻትኩም እውን ልብኹም ጋህ ኣብሉ።*+ 14 ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ።*+ ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን* እንታይ ርክብ ኣለዎ፧+ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧+ 15 ክርስቶስከ ምስ ብልያል* እንታይ ስኒት ኣለዎ፧+ ወይስ ኣማኒ* ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት* ኣለዎ፧+ 16 ቤተ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧+ ከምቲ ኣምላኽ፡ “ኣባታቶም ክነብር፡+ ኣባታቶም እውን ክመላለስ እየ፣ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበለ፡+ ንሕናስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።+ 17 “‘ስለዚ፡ ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡* ‘ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ’”፣+ “‘ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ።’”+ 18 “‘ኣቦ ድማ ክዀነኩም እየ፣+ ንስኻትኩም እውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም’+ ይብል እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ።”* 10 ምሳኻትኩም ገጽ ንገጽ ክኸውን ከለኹ ያኢ ዝትሑት፡+ ምሳኻትኩም ከየለኹ ግና ዝተብዓልኩም ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ፡+ ብልእመትን ብለውሃትን ክርስቶስ እልምነኩም ኣለኹ።+ 2 ምሳኻትኩም ክኸውን ከለኹ፡ ነቶም ከም ስጋ ኸም እንመላለስ ዚቘጽሩና፡ ተቢዐ እቲ ዝሓለንክዎ ሓያል ስጕምቲ ኸይወስደሎም፡ እልምን ኣለኹ። 3 ብስጋ እንመላለስ ክነስናስ፡ ከም ስጋ ኣይንዋጋእን ኢና። 4 ኣጽዋር ውግእና ጽኑዕ ዕርድታት ዜፍርስ ሓይሊ ኣምላኽ ዘለዎ እዩ እምበር፡+ ስጋዊ ኣይኰነን።+ 5 ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ልዕል ዝበለን ነፍርስ ኣለና፣+ ኵሉ ሓሳብ ንክርስቶስ ምእንቲ ኺእዘዝ ድማ፡ ንማርኽ ኣለና፣ 6 ምሉእ ብምሉእ እዙዛት ምዃንኩም ምስ ተራእየ እውን፡ ንዅሉ ዘይተኣዛዝነት ንምቕጻዕ ተዳሊና ኣለና።+ 7 ንስኻትኩምሲ ገጽ ኢኹም እትርእዩ። ናይ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ብርእሱ ዚተኣማመን እንተሎ፡ ከምቲ ንሱ ናይ ክርስቶስ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ከምኡ ኸም ዝዀንና ኸም ብሓድሽ ይሕሰብ። 8 በቲ ጐይታ ንምፍራስኩም ዘይኰነስ፡ ንምህናጽኩም ዝሃበና ስልጣን+ ቍሩብ ኣብዚሐ እንተ ዝምካሕሲ፡ ኣይምሓፈርኩን ነይረ። 9 ብደብዳበታተይ ከሰምብደኩም ከም ዝደለኹ ኽመስል ኣይደልን እየ። 10 ከመይሲ፡ “እተን ደብዳበታቱ ኸበድትን ሓያላትን እየን፣ ብኣካል ምሳና ኸሎ ግና ድኹም፡ ዘረባኡ እውን ንዑቕ እዩ” ይብሉ እዮም። 11 እቲ ኸምዚ ዝበለ ሰብ፡ ከምቲ ምሳኻትኩም ከየለና ብደብዳበታትና እንብሎ፡* ምሳኻትኩም ከለና እውን ከምኡ ኸም እንገብር* ይሕሰብ።+ 12 ምኽንያቱ፡ ምስቶም ርእሶም ዚንእዱ ኽንቍጸር ወይ ክንመዓራረ ኣይንደፍርን ኢና።+ ግናኸ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ንርእሶም ካብ ዚልክዑ፡ ንርእሶም እውን ምስ ርእሶም ካብ ዜመዓራርዩ፡ ኣእምሮ የብሎምን።+ 13 ንሕና ግና በቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣምላኽ ለኪዑ ዝሃበና፡ ክሳዕ ኣባኻትኩም እውን ዚበጽሕ ደረት ዘሎ ኽሊ እምበር፡ በቲ ኻብቲ እተመደበልና ደረት ወጻኢ ዘሎ ኣይንምካሕን ኢና።+ 14 ብዛዕባ ክርስቶስ እናኣበሰርና ኽሳብ ናባኻትኩም ቀዲምና ዝበጻሕና ንሕና ኢና እሞ፡ ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕና ዄንናስ፡ እምብዛ ኣይንመጣጠርን ኢና።+ 15 ካብቲ እተመደበልና ደረት ወጺእና ብጻዕሪ ኻልኦት ኣይንምካሕን ኢና፣ ግናኸ፡ እምነትኩም እናወሰኸት ምስ ከደት፡ እቲ ኣብ ክልና ዝገበርናዮ ኺውስኽ ተስፋ ንገብር። ሽዑ፡ ብዝያዳ ኽንገብር፡ 16 በቲ ድሮ ኣብ ክሊ ኻልኦት እተገብረ ምእንቲ ኸይንምካሕ ድማ፡ ነተን ክንየውኩም ዘለዋ ሃገራት ከነበስር ኢና። 17 “ግናኸ፡ እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ* ይመካሕ።”+ 18 ከመይሲ፡ እቲ የሆዋ* ዚንእዶ እምበር፡+ እቲ ርእሱ ዚንእድ ኣይኰነን ብቕዓቱ ዘመስከረ።+ 9 ብዛዕባ እቲ ንቕዱሳት ዚኸውን ኣገልግሎት፡+ ክጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ፣ 2 ከመይሲ፡ እቲ ኣካይያ ኻብ ዓሚ ኣትሒዛ ኸም እተዳለወት ንመቄዶናውያን እተመካሕኩሉ ፍቓደኛነትኩምን እቲ ንመብዛሕትኦም ዘለዓዓለ ቕንኣትኩምን እፈልጥ እየ። 3 ኰይኑ ግና፡ እቲ እተመካሕናዮ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ምእንቲ ኽትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት እሰድዶም ኣለኹ። 4 እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጺኦም እሞ ኸይተዳሎኹም እንተ ረኺቦምኹም፡ ንሕና ዀንና ንስኻትኩም በቲ ኣባኻትኩም ዘሎና እምንቶ ኽንሓፍር ኢና። 5 እምበኣር፡ ነቶም ኣሕዋት ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ምእንቲ ኺመጹ ኸተባብዖምን እቲ ኸተበርክትዎ ዘተስፈኹምዎ ህያብ ተዳልዩ ኺጸንሕን ዜድሊ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እዚ ኸም ብግዲ እተዋህበ ዘይኰነስ፡ ከም እተበርከተ ህያብ ኰይኑ ኺዳሎ ይኽእል። 6 ብዛዕባ እዚ ግና፡ እቲ ቘጢቡ ዚዘርእ፡ ቈጢቡ ይዓጽድ፣ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ከኣ፡ ብበረኸት ይዓጽድ።+ 7 ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡+ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ* ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡+ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ። 8 ብዘይካዚ፡ ኵሉ ሳዕ ብዅሉ ምሉእ ዘይጕዱል ኣልዩኩም፡ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ዕዙዛት ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣምላኽ ጸጋኡ ኼብዝሓልኩም ይኽእል እዩ።+ 9 (ከምቲ፡ “ብሰፊሑ* ዓዲሉ፣ ንድኻታት ሂቡ። ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር” ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ።+ 10 እቲ ንዘራኢ ዘርእን ንምግቢ ዚኸውን እንጌራን ኣብዚሑ ዚህብ፡ ንሱ ዘርኢ ኺህበኩምን ኬበርክተልኩምን ፍረ ጽድቅኹም ኬብዝሖን እዩ።) 11 ብዅሉ በቲ ብኣና ኣቢሉ ንኣምላኽ ምስጋና ዜምጽእ ኵሉ ልግሲ ትህብትሙ ኣለኹም፣ 12 ምኽንያቱ፡ እዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት እዚ ዚግበር፡ ነቶም ቅዱሳት ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ+ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዚቐርብ ብዙሕ ምስጋና ምእንቲ ኺዓዝዝ እውን እዩ። 13 ነቲ ብስራት ክርስቶስ ክትሰብኩ ኸለኹም ተገዛእቲ ስለ ዝዀንኩምን ንዓታቶምን ንዅሉን ብልግሲ ስለ እተዋጽኡን፡ እዚ ኣገልግሎት ረድኤት እዚ ብዜቕርቦ መርትዖ፡ ንኣምላኽ የሞግስዎ እዮም።+ 14 ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ሓለፍ ዝበለ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኹም ብምምህላል ከኣ፡ ኪላለዩኹም ሃረር ከም ዚብሉ የርእዩ ኣለዉ። 15 ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ናጻ ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። 13 ናባኻትኩም ዝመጽእ ዘለኹ፡ እዚ ሳልሳይ ግዜ እዩ። “ኵሉ ነገር ብምስክርነት* ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ኪጸንዕ ኣለዎ።”+ 2 ሕጂ ምሳኻትኩም እኳ እንተ ዘየለኹ፡ ምሳኻትኩም ካልኣይ ግዜ ኸም ዘለኹ ጌርኩም ሕሰቡ፣ መሊሰ እንተ መጺአስ ነቶም ቅድም ዝሓጥኡን ንዝተረፉ ዅላቶምን ከም ዘይንሕፎም፡ ኣቐዲመ አጠንቅቖም ኣለኹ፣ 3 ምኽንያቱ፡ እቲ ኣባኻትኩም ብርቱዕ እምበር፡ ድኹም ዘይኰነ ክርስቶስ ብኣይ ይዛረብ እንተ ኣልዩ፡ መርትዖ ትደልዩ ኣለኹም። 4 ክርስቶስሲ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ግና ህያው ኰይኑ ይነብር ኣሎ።+ ንሕና እውን ምስኡ ድኹማት ኢና፣ በቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ሓይሊ ኣምላኽ ግና፡+ ምስኡ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።+ 5 ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ።+ ወይስ የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ሓድነት ከም ዘለዎዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እንተ ዘይኰነስ፡ ብቑዓት ኣይኰንኩምን። 6 ንሕና ዘይብቑዓት ከም ዘይኰንና ኽትፈልጡ ግና፡ ተስፋ እገብር። 7 ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ ኣለና፣ እዚ ኸኣ ብቕዓትና ኸም ዘመስከርና ኽንመስል ኢልና ዘይኰንናስ፡ ንሕና እኳ ዘይብቑዓት እንተ መሰልና፡ ሰናይ ምእንቲ ኽትገብሩ ኢልና ኢና። 8 ንሕናስ ንሓቂ ዚድግፍ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና። 9 ንስኻትኩም እንተ በርቲዕኩምሲ፡ ንሕና እኳ እንተ ደኸምና፡ ንሕጐስ ኢና። ምእንቲ ኽትቀንዑ፡ ምእንቲ እዚ ድማ ኢና እንጽሊ ዘለና። 10 ስለዚ ኸኣ እየ ምሳኻትኩም ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ነቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኰነስ፡ ክሃንጸሉ ዝሃበኒ ስልጣን ብጭከና ምእንቲ ኸይጥቀመሉ፡+ ምሳኻትኩም ከየለኹ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ። 11 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሓጐሱ፡ ቅንዑ፡* ተጸናንዑ፡+ ሓደ ሓሳብ ኩኑ፡+ ብሰላም ንበሩ፣+ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን+ ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። 12 ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። 13 ኵሎም ቅዱሳት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 14 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን እቲ እንካፈሎ መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። 5 እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈሪሳስ፡+ ካብ ኣምላኽ ህንጻ፡ ማለት ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት+ ኣብ ሰማያት ከም እትህልወና፡ ንፈልጥ ኢና። 2 ከመይሲ፡ ነታ ኻብ ሰማይ ንዓና ዝዀነት* ክንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዛ ቤት* እዚኣ ነስቈርቍር ኣለና፣+ 3 ምስ ለበስናያስ፡ ዕሩቓት ኴንና ኣይክንርከብን ኢና። 4 ንሕና ኣብዛ ድንኳን እዚኣ ዘለናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሓጥ፡+ ነታ ሓንቲ ኽንለብስ ኢና እንደሊ እምበር፡+ ነዚኣ ኽንቅንጥጣ ስለ ዘይንደሊ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣለና። 5 እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ከም ዕርቡን ገይሩ ኸኣ መንፈስ ዝሃበና፡+ ኣምላኽ እዩ።+ 6 እምበኣር፡ ኵሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና፣ ኣብዚ ሰብነት እዚ ኽሳዕ ዝሰፈርና ድማ፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና፣+ 7 ከመይሲ፡ ብምርኣይ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ኢና እንመላለስ ዘለና። 8 ግናኸ፡ ትብዓት ኣሎና፣ ካብዚ ሰብነት እዚ ርሒቕና ምስ ጐይታ ኽንነብር እውን ምፈተና።+ 9 ስለዚ፡ ምስኡ ሰፊርና ንሃሉ ወይ ካብኡ ንርሓቕ፡ ብእኡ ተቐባልነት ኪህልወና ንጽዕት ኣለና። 10 ነፍሲ ወከፍ ከምቲ በዚ ሰብነት እዚ ኸሎ ዝገበሮ፡ ጽቡቕ ወይስ ክፉእ፡ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክንቀርብ* ኣሎና።+ 11 እምበኣር፡ ፍርሃት ጐይታ ስለ እንፈልጥ፡ ንሰባት ነእምን ኣለና፡ ንኣምላኽ ግና ፍሉጣት* ኢና። ንሕልናኹም እውን ፍሉጣት* ክንከውን ተስፋ እገብር። 12 ነቶም በቲ ኣብ ልቢ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ብደጋዊ ትርኢት ዚምክሑ ምላሽ ምእንቲ ኽትህቡ፡+ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኣይኰንናን ንንእድ ዘለና። 13 እንተ ተጸሊልናስ፡+ ንኣምላኽ ኢና፣ ምስ ቀልብና እንተ ዄንና ኸኣ፡ ንዓኻትኩም ኢና። 14 እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ፣ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ምእንቲ ዅሉ ኸም ዝሞተ ደምዲምና ኢና፣+ ስለዚ፡ ኵሎም ሞይቶም እዮም። 15 እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ፡ ንሱ ምእንቲ ዅሎም ሞይቱ እዩ።+ 16 ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብስጋዊ ኣረኣእያ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና።+ ንክርስቶስ ብስጋ እኳ እንተ ፈለጥናዮ፡ ሕጅስ ብርግጽ ከምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና።+ 17 ስለዚ፡ ሓደ እኳ ምስ ክርስቶስ ሓድነት እንተ ኣልይዎ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፣+ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እንሆ፡ ሓድሽ ኰይኑ ኣሎ። 18 ኵሉ ግና ካብቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተዓረቐናን+ ኣገልግሎት ዕርቂ ዝሃበናን+ ኣምላኽ እዩ፣ 19 ማለት፡ ኣምላኽ ኣበሳኦም ከይቈጸረ፡+ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንዓለም ምስ ርእሱ ይዓርቃ ኣሎ፣+ ነቲ ቓል ዕርቂ ድማ ንዓና ብሕድሪ ሂቡና ኣሎ።+ 20 እምበኣር፡ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ+ ኣምባሳደራት ኢና፣+ ስለዚ፡ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምሕጸን ከም ዘሎ እዩ። ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና፡ “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” ኢልና ንልምን ኣለና። 21 ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡+ እቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ፡+ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት* ከም ዚኸውን ተገይሩ እዩ። 3 ኣቱም ዓያሹ ሰብ ገላትያ፡ ኣቱም የሱስ ክርስቶስ ከም እተሰቕለ+ ዀይኑ ብንጹር እተሳእለልኩም፡ መን ደኣ ኣታሊሉኩም፧+ 2 ካባኻትኩም እዚኣ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣለኹ፦ ብግብሪ ሕጊ ዲኹም መንፈስ ተቐቢልኩም፡ ወይስ በቲ ዝሰማዕኩምዎ ብምእማንኩም፧+ 3 ክሳዕ ክንድዚዶ ዓያሹ ኢኹም፧ ብመንፈሳዊ መገዲ* ድሕሪ ምጅማርኩም፡ ብስጋዊ መገዲዶ* ትዛዝሙ ኣለኹም፧+ 4 ክሳዕ ክንድዚ ዚኣክል መከራ ዘሕለፍኩምዶ ንኸንቱ እዩ፧ ንኸንቱ እኳ ኣይነበረን። 5 እሞኸ፡ እቲ መንፈስ ዝሃበኩምን ኣብ መንጎኹም ግብርታት ሓይሊ ዝገበረን፡+ ሕጊ ብምሕላውኩም ድዩ ገይርዎ፡ ወይስ በቲ ዝሰማዕኩምዎ ብምእማንኩም፧ 6 ከምቲ ኣብርሃም “ብየሆዋ* ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ” እተባህለ እዩ።+ 7 እቶም ንእምነት ጠቢቖም ዚስዕቡ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖምሲ ትፈልጡ ኢኹም።+ 8 እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንዘበሉ ብእምነት ከም ዜጽድቖም ኣቐዲሙ ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም” ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሲርዎ እዩ።+ 9 እምበኣር፡ እቶም ንእምነት ጠቢቖም ዚስዕቡ፡ ምስቲ እምነት ዝነበሮ ኣብርሃም ይባረኹ ኣለዉ።+ 10 “ኣብቲ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሕጊ እተጻሕፈ ዘበለ ንምግባሩ ዘይጸንዕ ርጉም ይኹን” ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ እሞ፡ እቶም ኣብ ግብርታት ሕጊ ዚምርኰሱ፡ ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።+ 11 ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ጻድቕ ብእምነት ይነብር”+ ስለ እተባህለ፡ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚጸድቕ ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ርዱእ እዩ።+ 12 እቲ ሕጊ ኣብ እምነት እተመርኰሰ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ “ዚገብሮ ዘበለ ብእኡ ብህይወት ኪነብር እዩ።”+ 13 “ኣብ ጕንዲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡”+ ተባሂሉ ስለ እተጻሕፈ፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን፡ ካብ መርገም እቲ ሕጊ ዓዲጉ፡+ ሓራ ኣውጺኡና እዩ።+ 14 ከምኡ ዝዀነ ኸኣ፡ በረኸት ኣብርሃም ብክርስቶስ የሱስ ኣቢሉ ኣብ ኣህዛብ ምእንቲ ኺወርድ እሞ፡+ ንሕና ብእምነትና ነቲ እተተስፈወ መንፈስ ምእንቲ ኽንቅበል እዩ።+ 15 ኣሕዋተየ፡ ካብ ናብራ ሰብ ብእተወስደ ምሳሌ ገይረ ኽዛረበኩም፦ ሓደ ኺዳን ምስ ጸንዐ፡ ብሰብ እኳ እንተ ጸንዐ፡ ዋላ ሓደ ኣየፍርሶን ወይ ኣይውስኸሉን እዩ። 16 እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ፡+ ከም ንብዙሕ፡ “ንኣዝርእትኻ” ዘይኰነስ፡ ከም ንሓደ፡ “ንዘርእኻ” እዩ ዚብል፣ ንሱ ድማ ክርስቶስ እዩ።+ 17 ብተወሳኺ፡ እዚ እብል ኣለኹ፦ እቲ ድሕሪ 430 ዓመት+ ዝመጸ ሕጊ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብኣምላኽ ዝጸንዐ ኺዳን ኣየፍርሶን፡ ነቲ ተስፋ እውን ኣይስርዞን እዩ። 18 እቲ ርስቲ ኣብ ሕጊ እተመስረተ እንተ ዀይኑስ፡ ደጊም ኣብ ተስፋ ኣይኰነን ተመስሪቱ፣ ኣምላኽ ግና ብተስፋ ኣቢሉ ንኣብርሃም ብለውሃት ሂብዎ እዩ።+ 19 እቲ ሕጊ ደኣ ንምንታይ ተዋሂቡ፧ እቲ እተተስፈወ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡+ ኣበሳ ንምግሃድ እዩ ተወሲኹ፣+ ብኢድ መንጎኛ+ ድማ ብመላእኽቲ ተመሓላሊፉ።+ 20 ንሓደ በይኑ፡ መንጎኛ ኣየድልዮን እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ሓደ እዩ። 21 እሞ ደኣ እቲ ሕጊ ምስ ተስፋታት ኣምላኽ ዚጻረር ድዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! ህያው ኪገብር ዚኽእል ሕጊ ተዋሂቡ እንተ ዚኸውን፡ ብሓቂ ጽድቂ ብሕጊ ምዀነ ነይሩ። 22 ግናኸ፡ እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ተስፋ ነቶም ዚኣምኑ ምእንቲ ኺውሃብ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ኣሲርዎ እዩ። 23 ይኹን እምበር፡ እምነት ቅድሚ ምምጻኣ፡ ነታ እትግለጽ እምነት እናተጸበና፡ ተኣሲርና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንሕሎ ኔርና።+ 24 ስለዚ፡ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕ፡+ እቲ ሕጊ ናብ ክርስቶስ ዜብጽሕ መጕዚ* ዀይኑና እዩ።+ 25 ሕጂ ግና፡ እምነት መጺኣ ስለ ዘላ፡+ ደጊም ኣብ ትሕቲ መጕዚ* ኣይኰንናን።+ 26 እምበኣር፡ ኵላትኩም በታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትኩም እምነት፡ ደቂ ኣምላኽ ኢኹም።+ 27 ከመይሲ፡ ኵላትኩም ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም፡ ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም።+ 28 ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡+ ኣይሁዳዊ ወይስ ግሪኻዊ የልቦን፡+ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡+ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ እውን የልቦን።+ 29 ብተወሳኺ፡ ናይ ክርስቶስ እንተ ዄንኩም፡ ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፣+ ብመሰረት እቲ ተስፋ+ ኸኣ ወረስቲ ኢኹም።+ 1 ካብቲ ኻብ ሰባት ወይ ብሰብ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣቦና ኣምላኽን ሃዋርያ ዝዀነ ጳውሎስ፡+ 2 ካብ ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት እውን፡ ናብ ጉባኤታት ገላትያ፦ 3 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 4 የሱስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፡+ ካብዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት*+ ምእንቲ ኼናግፈና ኢሉ፡ ምእንቲ ሓጢኣትና ርእሱ ሂቡ እዩ።+ 5 ንኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 6 ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም፡ ናብ ካልእ ብስራት ቀልጢፍኩም ተልግሱ ምህላውኩም ይገርመኒ ኣሎ።+ 7 ንዓኻትኩም ዚርብሹኹምን+ ብዛዕባ ክርስቶስ ዜበስር ብስራት ኪጠውዩ ዚደልዩን ደኣ ኣለዉ እምበር፡ ካልእ ብስራትሲ የልቦን። 8 ይኹን እምበር፡ ሓደ ኻባና ዀነ ወይ ካብ ሰማይ ዝወረደ መልኣኽ፡ ካብቲ ንሕና ዘበሰርናኩም ብስራት እተፈልየ ኻልእ ብስራት እንተ ነጊሩኩም፡ ርጉም ይኹን። 9 ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ሕጂ እውን ደጊመ እብለኩም ኣለኹ፦ ካብቲ እተቐበልኩምዎ እተፈልየ ኻልእ ብስራት ዚነግረኩም ዘበለ፡ ርጉም ይኹን። 10 እሞኸ፡ ንሰባት ድየ ወይስ ንኣምላኽ ከፍቱ ዝፍትን ዘለኹ፧ ወይስ ንሰባት ድየ ኸሐጕስ ዝፍትን ዘለኹ፧ ገና ንሰባት ዘሐጕስ ዘለኹ እንተ ዝኸውን ነይረ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን። 11 ኣሕዋተየ፡ እቲ ዘበሰርኩኹም ብስራት፡ ካብ ሰብ ከም ዘይኰነ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፣+ 12 የሱስ ክርስቶስ ደኣ እዩ ገሊጹለይ እምበር፡ ካብ ሰብ እተቐበልክዎ ወይ እተመሃርክዎ ኣይኰነን።