target_sentence 13 መሸም፡ ቀደም ሰዓቢ ኣይሁድነት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡+ ንጉባኤ ኣምላኽ ኣመና ኸም ዝሰጐጕክዋን ከም ዘዕኖኽዋን ሰሚዕኩም ኣለኹም።+ 14 ንስርዓት ኣቦታተይ ዝያዳ ቕንኣት ስለ ዝነበረኒ፡ ብኣይሁድነት ካብ ብዙሓት መሳቶይ ዝዀኑ ደቂ ዓደይ ዝያዳ ዕቤት እገብር ነይረ።+ 15 እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ዝፈለየንን ብጸጋኡ+ ዝጸውዓንን ኣምላኽ ግና፡ 16 ብዛዕባ ወዱ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር ኢሉ፡+ ንወዱ ብኣይ ኣቢሉ ኺገልጽ ምስ ፈተወ፡ ብኡብኡ ምስ ሰብ* ኣይተማኸርኩን። 17 ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት እውን፡ ናብ የሩሳሌም ኣይደየብኩን፣ የግዳስ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ እየ ኸይደ፣ ካብኡ ድማ ናብ ደማስቆ ተመሊሰ።+ 18 ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ንኬፋ*+ ምእንቲ ኽበጽሖ ኢለ፡ ናብ የሩሳሌም ደዪበ፣+ ን15 መዓልቲ ድማ ምስኡ ቐንየ። 19 ካብ ካልኦት ሃዋርያት ግና፡ ብዘይካ ያእቆብ+ ሓው ጐይታና፡ ካልእ ኣይረኣኹን። 20 ብዛዕባ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እየ ዝብለኩም፡ ኣይሕሱን እየ ዘለኹ። 21 ድሕሪኡ፡ ናብ ዞባታት ሶርያን ቂልቅያን ከይደ።+ 22 እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ጉባኤታት ክርስቶስ ግና፡ ብገጽ ኣይፈልጣንን እየን ነይረን፣ 23 “እቲ ቐደም ዚሰጕጐና ዝነበረ፡+ ብዛዕባ እታ ኼዕንዋ ዚፍትን ዝነበረ እምነት የበስር ኣሎ” ኺብሃል ከሎ ጥራይ ይሰምዓ ነይረን።+ 24 ስለዚ፡ ብዛዕባይ ንኣምላኽ ኣሞጊሰናኦ። 2 ድሕሪኡ፡ ድሕሪ 14 ዓመት፡ ንቲቶስ ተማሊአ፡ ምስ በርናባስ+ ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ደዪበ።+ 2 ብምኽንያት ሓደ ራእይ እየ ደዪበ። ምናልባት ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ ወይ ጐይየ ኸይከውን ንምርግጋጽ ግና፡ ነቶም ምርኡያት በይኖም ገይረ፡ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዘለኹ ብስራት ነጊረዮም እየ። 3 ኰይኑ ግና፡ እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ+ እኳ፡ ግሪኻዊ ኽነሱ፡ ኪግዘር ኣይተገደደን።+ 4 እቲ ጕዳይ እቲ እተላዕለ፡ ብሰሪ እቶም ጠሪሶም ባሮት ኪገብሩና+ ኢሎም ነታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትና ሓርነት+ ኪስልዩ ሰላሕ ኢሎም ዝኣተዉ ናይ ሓሶት ኣሕዋት እዩ።+ 5 ሓቂ እቲ ብስራት ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ነዚኣቶም ሓንሳእ* እኳ ኣይተገዛእናዮምን።+ 6 ብዛዕባ እቶም ከም ኣገደስቲ ዚመስሉ ግና፡+—ንምዃኑ እኳ ኣምላኽ ደጋዊ ትርኢት ሰብ ርእዩ ስለ ዘይፈርድ፡ ቀደም እንታይ ዓይነት ሰብ ምንባሮም ኣይግድሰንን እዩ፡—ንዓይ እቶም ምርኡያት ዋላ ሓንቲ ሓድሽ ነገር ኣይወሰኹለይን። 7 ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከምቲ ጴጥሮስ ንእተገዝሩ ኼበስር ሕድሪ እተዋህቦ፡ ንዘይተገዝሩ ኸበስሮም+ ሕድሪ ኸም እተዋህበኒ ምስ ፈለጡ፡— 8 ከመይሲ፡ እቲ ንጴጥሮስ ኣብቶም ግዙራት ሃዋርያ ኪኸውን ስልጣን ዝሃቦ፡ ንዓይ እውን ኣብቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ስልጣን ሂቡኒ እዩ፡+— 9 ነቲ እተዋህበኒ ጸጋ+ እውን ምስ ፈለጡ፡ እቶም ከም ኣዕኑድ ጌርካ ዚርኣዩ ያእቆብን+ ኬፋን* ዮሃንስን፡ ንዓይን ንበርናባስን+ ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ግዙራት ኪኸዱ፡ ስምረቶም* ንምግላጽ የማናይ ኢዶም ሂቦምና። 10 ንድኻታት ክንዝክሮም ጥራይ ሓቲቶምና፣ ነዚ እውን ክገብሮ ተጋዲለ እየ።+ 11 ይኹን እምበር፡ ኬፋ*+ ናብ ኣንጾክያ+ ምስ መጸ፡ ብንጹር በዳሊ ዀይኑ ስለ እተረኽበ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። 12 ከመይሲ፡ ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ+ ቅድሚ ምምጻኦም፡ ምስ ኣህዛብ ይበልዕ ነይሩ፣+ ንሳቶም ምስ መጹ ግና፡ ነቶም ሰብ ግዝረት ስለ ዝፈርሀ፡ ከምኡ ምግባር ሓዲጉ፡ ርእሱ ፈልዩ።+ 13 እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ምስኡ ተገቢዞም፣* በርናባስ እኳ ብግብዝናኦም* ተለኪሙ። 14 ምስ ሓቂ እቲ ብስራት ተሰማሚዖም ይመላለሱ ኸም ዘየለዉ ምስ ረኣኹ፡+ ንኬፋ* ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ከም ኣይሁድ ዘይኰነስ፡ ከም ኣህዛብ ትነብር ካብ ኰንካ፡ ንኣህዛብ ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ ኪነብሩ ስለምንታይ ትግድዶም ኣለኻ፧” ኢለዮ።+ 15 ንሕና ብትውልዲ ኣይሁድ ዘበልና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ እውን ዘይኰንና፡ 16 ሰብ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ብምእማን+ ከም ዚጸድቕ* ንፈልጥ ኢና።+ እምበኣር፡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ ዋላ ሓደ* ስለ ዘየልቦ፡ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ምእንቲ ኽንጸድቕ፡ ብክርስቶስ የሱስ ኣሚንና ኣለና።+ 17 ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለና ኸለና፡ ሓጥኣን ኴንና እንተ ተረኺብና፡ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን! 18 ነቲ ዘፍረስክዎ ኸም ብሓድሽ ዝሃንጾ እንተ ዀይነ፡ ኣባሲ ምዃነይ እየ ዘርኢ። 19 ኣነስ፡ ንኣምላኽ ህያው ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ሕጊ ኣቢለ፡ ነቲ ሕጊ ምዉት ኰይነ እየ።+ 20 ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ እየ።+ እቲ ምሳይ ብሓድነት ዚነብር ክርስቶስ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ።+ እወ፡ እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት፡ በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን+ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።+ 21 ንጸጋ ኣምላኽ+ ኣይነጽጎን እየ፣ ከመይሲ፡ ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ ክርስቶስ ንኸንቱ ሞይቱ ማለት እዩ።+ 4 ኣነ እብል ኣለኹ፦ ወራሲ ብግዜ ሕጻንነቱ፡ ዋላ እኳ ጐይታ ዅሉ እንተ ዀነ፡ ካብ ባርያ ፈሊኻ ኣይርአን እዩ፣ 2 የግዳስ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደባ መዓልቲ እትኣክል፡ ኣብ ትሕቲ ኣለይትን ኣመሓደርቲ ቤትን እዩ። 3 ከምኡ ድማ፡ ንሕና ሕጻናት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ብመባእታዊ ነገራት ዓለም ባሮት ኴንና ኔርና።+ 4 ኰይኑ ግና፡ እቲ ተወሲኑ ዝነበረ እዋን ምስ ኣብቅዐ፡ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ሰበይቲ እተወልደን+ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝዀነን+ ወዱ ልኢኽዎ እዩ፣ 5 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ዓዲጉ ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም እሞ፡+ ንሕና ውሉድነት ምእንቲ ኽንረክብ እዩ።+ 6 ውሉዳት ስለ ዝዀንኩም፡ ኣምላኽ ነቲ፡ “ኣባ፡* ኣቦ!”+ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና+ ልኢኽዎ እዩ።+ 7 ስለዚ፡ ደጊም ውሉድ ደኣ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን፣ ውሉድ ካብ ኰንካ ኸኣ፡ ኣምላኽ እውን ወራሲ ገይሩካ እዩ።+ 8 ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸለኹም፡ ባሮት እቶም ናይ ሓቂ ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ኢኹም ኔርኩም። 9 ሕጂ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ እውን ኣምላኽ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ጌርኩም ናብቲ ድኹምን+ ድርባይን መባእታዊ ነገራት ትምለሱን ከም ብሓድሽ ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩን ኣለኹም፧+ 10 መዓልትታትን ኣዋርሕን+ ወቕትታትን ዓመታትን ተጠንቂቕኩም ትሕልዉ ኣለኹም። 11 ምናልባት ንኸንቱ ጽዒረልኩም ከይከውን፡ እፈርሃልኩም ኣለኹ። 12 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸማኻትኩም ስለ ዝነበርኩ፡ ከማይ ክትኰኑ እልምነኩም ኣለኹ።+ ሓንቲ እኳ ኣይበደልኩምንን። 13 ግናኸ፡ ብስጋ ብምሕማመይ እየ ነቲ ብስራት ክነግረኩም ንፈለማ ግዜ ኣጋጣሚ ዝረኸብኩ። 14 ሽዑ፡ ሕማመይ ፈተና እኳ እንተ ዀነኩም፡ ኣይነዓቕኩምንን ወይ ኣይተጸየፍኩምንን፣* የግዳስ፡ ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምኒ። 15 እቲ ዝነበረኩም ሓጐስ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ዚከኣል እንተ ዚኸውን ነይሩስ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም ከም እትህቡኒ እምስክረልኩም እየ።+ 16 እሞ ደኣ፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢኹም ኰይነ እየ፧ 17 ንጽቡቕኩም ዘይኰነስ፡ ካባይ ኪፈልዩኹም እሞ፡ ተሃንጢኹም ምእንቲ ኽትስዕብዎም ኢሎም እዮም ብወገኖም ኪገብሩኹም ብቕንኣት ዚጽዕሩ ዘለዉ። 18 ኰይኑ ግና፡ ኣነ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ኢሉ ብቕንኣት ዚደልየኩም እንተሎ ሰናይ እዩ፣ 19 ደቀየ፡+ ክርስቶስ ክሳዕ ዚቕረጸልኩም፡ ከም ብሓድሽ ብቕልውላው ተታሒዘልኩም ኣለኹ። 20 ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉን ብእተፈልየ መገዲ ኽዛረበኩምን ምደለኹ። 21 ኣቱም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ እስከ ንገሩኒ፡ ነቲ ሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም፧ 22 ንኣብነት፡ ኣብርሃም ክልተ ኣወዳት ከም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ገረድ፡+ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ+ ኸም ዝነበረ ጽሑፍ እዩ። 23 ኰይኑ ግና፡ እቲ ኻብታ ገረድ እተወልደ፡ ብንቡር* እዩ ተወሊዱ፣+ እቲ ኻብታ ጭዋ እተወልደ ግና፡ ብእተተስፈወ ተስፋ እዩ ተወሊዱ።+ 24 እዚ ኸም ምሳልያዊ ዛንታ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዘን ኣንስቲ እዚአን ንኽልተ ኺዳን እየን ዜመልክታ፣ እታ ንባርነት እትወልድ ካብ ከረን ሲና+ ዝዀነት፡ ንሳ ኣጋር እያ። 25 ኣጋር ነቲ ኣብ ምድሪ ዓረብ ዘሎ ኸረን ሲና+ እያ እተመልክት፣ ንሳ ኣምሳል እታ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ትሕቲ ባርነት ዘላ የሩሳሌም እያ። 26 እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና፡ ጭዋ እያ፣ ንሳ ኸኣ ኣዴና እያ። 27 ከመይሲ፡ “ደቂ እታ በይና ዘላ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይትወልዲ መኻን፡ ተሓጐሲ፣ ኣቲ ቕልውላው ዘይብልኪ እልል በሊ” ዚብል ጽሑፍ እዩ።+ 28 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ከም ይስሃቅ፡ ደቂ ተስፋ ኢኹም።+ 29 ግናኸ፡ ከምቲ እቲ ብንቡር* እተወልደ ነቲ ብመንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡+ ሕጂ እውን ከምኡ እዩ።+ 30 ይኹን እምበር፡ ቅዱስ ጽሑፍ እንታይ ድዩ ዚብል፧ “ወዲ እታ ገረድ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኸቶ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ገረድን ንወዳን ስጐጎም።”+ 31 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ገረድ ዘይኰንናስ፡ ደቂ እታ ጭዋ ኢና። 6 ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብዘይ ፍላጥ እንተ ስሒቱ፡ ንስኻትኩም መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘማላእኩም፡ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብልኡም መንፈስ ኣቕንዕዎ።+ ኰይኑ ግና፡ ንስኻ እውን ምእንቲ ኸይትፍተን፡+ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።+ 2 ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ፣+ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍጽሙ ኢኹም።+ 3 ሓደ ሰብ ማንም ክነሱ፡ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡+ ንርእሱ እዩ ዜታልል ዘሎ። 4 ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡+ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።+ 5 ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ* ኺጸውር እዩ።+ 6 ብተወሳኺ፡ ነቲ ቓል ዚምሃር* ዘበለ፡ ነቲ ዚምህሮ፡* ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ የማቕሎ።+ 7 ኣይትታለሉ፦ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።+ 8 እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእሲ፡ ካብ ስጋኡ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፣ እቲ ንመንፈስ ኢሉ ዚዘርእ ግና፡ ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።+ 9 እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።+ 10 እምበኣር፡ ኣጋጣሚ* ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር። 11 ብኸመይ ዝበለ ፍሩይ ፊደላት ብኢደይ ከም ዝጸሓፍኩልኩም ርኣዩ። 12 ኵሎም እቶም ብስጋ ኺፍተዉ* ዚደልዩ ዘበሉ እዮም ብሰንኪ ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ምእንቲ ኸይስጐጉ ኢሎም፡ ክትግዘሩ ኼገድዱኹም ዚፍትኑ ዘለዉ። 13 ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ ኢሎም እዮም ክትግዘሩ ዚደልዩኹም ዘለዉ እምበር፡ እቶም ዚግዘሩ ዘለዉ እኳ ባዕላቶም ንሕጊ ኣይሕልውዎን እዮም።+ 14 በቲ ዓለም ንዓይ ከም ምዉትቲ ዝዀነትሉ፡ ኣነ እውን ንዓለም ከም ምዉት ዝዀንኩሉ* ጕንዲ ስቅያት* ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ፡+ ብኻልእ ምምካሕ ከቶ ኻባይ ይርሓቕ። 15 ከመይሲ፡ ሓድሽ ፍጥረት+ ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ረብሓ የብሉን።+ 16 ኣብ ኵሎም እቶም በዚ ሕጊ እዚ ብስርዓት ዚመላለሱ፡ እወ፡ ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል፡ ሰላምን ምሕረትን ይውረድ።+ 17 ኣነ ባርያ የሱስ ምዃነይ ዚሕብር ዕላመት ኣብ ሰብነተይ እጸውር ስለ ዘለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ኣየሸግረኒ።+ 18 ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን። 5 ክርስቶስ ነዚ ሓርነት እዚ ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ እዩ ሓራ ኣውጺኡና። ስለዚ፡ ጽንዑ፣+ ከም ብሓድሽ እውን ኣብ ኣርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።+ 2 እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዚርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመኩምን እዩ እብለኩም ኣለኹ።+ 3 ዚግዘር ዘበለ ሰብ እውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺሕሉ ግዴታ ኸም ዘለዎ ደጊመ እምስክረሉ ኣለኹ።+ 4 ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትፍትኑ ዘለኹም፡+ መን ምዃንኩም ብዘየገድስ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፣ ካብ ጸጋኡ ወዲቕኩም ኢኹም። 5 ንሕናስ ነቲ ሳላ እምነት ዚብጻሕ ተስፋ ዚግበረሉ ጽድቂ ብመንፈስ ክንረኽቦ ተሃንጢና ንጽበ ኣለና። 6 ከመይሲ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ዚሓብሩ፡ እታ ብፍቕሪ እትዓዪ እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ዋጋ የብሉን።+ 7 ጽቡቕ ትጐይዩ ኔርኩም።+ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓጊቱኩም፧ 8 እዚ ሕብለት እዚ፡ ካብቲ ዝጸውዓኩም ዝመጸ ኣይኰነን። 9 ሒደት ማይ ብሑቝ ንብዘሎ ብሑቝ የብኵዖ እዩ።+ 10 እቶም ምስ ጐይታ ሓድነት ዘሎኩም፡+ ካልእ ከም ዘይትሓስቡ እተኣማመን እየ፣ እቲ ዚርብሸኩም ግና፡+ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዚግብኦ ፍርዲ ኪቕበል እዩ። 11 ኣሕዋተየ፡ ኣነ ግና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ፡ ስለምንታይ ደኣ እስጐጕ ኣለኹ፧ ከምኡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ መዐንቀፊ ጕንዲ ስቅያት*+ ኣልጊሱ ኣሎ። 12 እቶም ዜዕገርግሩኹም፡ እንተ ዚስለቡ እባ ደኣ!* 13 ኣሕዋተየ፡ ንሓርነት ኢኹም እተጸዋዕኩም፣ ሓንትስ፡ በዚ ሓርነት እዚ ተጠቒምኩም ደድሕሪ ስጋዊ ትምኒት ኣይትስዓቡ፣+ የግዳስ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ።+ 14 ከመይሲ፡ ኵሉ እቲ ሕጊ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኣብ እትብል ሓንቲ ትእዛዝ ተፈጺሙ* እዩ።+ 15 ንሓድሕድኩም ትናኸሱን ትባልዑን እንተ ዄንኩም ግና፡+ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።+ 16 ኣነ ግና፡ ብመንፈስ ተመላለሱ፡+ ትምኒት ስጋ ድማ ከቶ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።+ 17 ከመይሲ፡ ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ፣ መንፈስ እውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ ኽትገብርዎ እትደልዩ ነገራት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ ኽልቲኡ ንሓድሕዱ ይጻረር እዩ።+ 18 ብተወሳኺ፡ ብመንፈስ ትምርሑ እንተ ኣሊኹም፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። 19 እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፣ ንሱ ኸኣ፡ ምንዝርና፡*+ ርኽሰት፡ ንውርምና፡*+ 20 ኣምልኾ ጣኦት፡ መናፍስትነት፡*+ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ግርጭት፡ ፍልልይ፡ ኑፋቐ፡ 21 ምንቀኝነት፡ ስኽራን፡+ ፈንጠዝያ፡* ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ እውን እዩ።+ ከምቲ ቐደም ዘጠንቀቕኩኹም፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ኣቐዲመ አጠንቅቐኩም ኣለኹ።+ 22 እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡*+ እምነት፡ 23 ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።+ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። 24 እቶም ናይ ክርስቶስ የሱስ ዘበሉ ድማ፡ ነቲ ስጋ ምስ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።+ 25 ብመንፈስ ንነብር እንተ ኣሊና፡ ብመንፈስ ብስርዓት ንመላለስ።+ 26 ንሓድሕድና ብምትህልላኽን+ ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ+ ኣይንድለ። 3 ስለዚ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ እሱር+ ክርስቶስ የሱስ ዝዀንኩ፡— 2 ብዛዕባ እቲ ስሌኹም እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነትሲ+ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ 3 ማለት ከምቲ ኣቐዲመ ኣሕጺረ ዝጸሓፍክዎ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር ብራእይ ኣፍሊጡኒ እዩ። 4 ስለዚ፡ ነዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፡ ነቲ ብዛዕባ ቕዱስ ምስጢር+ ክርስቶስ ዘሎኒ ግንዛበ ኸተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም። 5 እዚ ምስጢር እዚ ንቕዱሳት ሃዋርያትን ንነብያትን ብመንፈስ እተገልጸሎም ሕጂ ስለ ዝዀነ፡+ ብኻልኦት ወለዶታት ደቂ ሰብ ኣይተፈልጠን፣ 6 ማለት ኣህዛብ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዚህልዎም ሓድነትን በቲ ብስራትን፡ መዋርስትን ኣካል ሓደ ሰብነትን+ መኻፍልቲ እቲ ተስፋን ኪዀኑ ኣለዎም። 7 ኣነ ኸኣ ከምቲ ብግብሪ ሓይሉ እተዋህበኒ ናጻ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ እዚ ዀይነ እየ።+ 8 ንዓይ ካብ ኵሎም ቅዱሳት ንዝነኣስኩ፡+ እዚ ጸጋ እዚ ተዋሂቡኒ እዩ፣+ እዚ እተዋህበኒ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር፡ 9 እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ምምሕዳር ቅዱስ ምስጢር+ ድማ ንዅሎም ምእንቲ ኸርእዮም እዩ። 10 እዚ ኸኣ ሕጂ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ኣምላኽ በታ ጉባኤ ኣቢላ+ ኣብቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መንግስትታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኽትፍለጥ እዩ።+ 11 እዚ እውን ከምቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ብዘሎና ሓድነት ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ዕላማ እዩ፣+ 12 ብእኡን በቲ ኣብኡ ዘሎና እምነትን፡ እዚ ንምዝራብ ዜኽእል ትብዓትን ዜተኣማምን ናጻ መእተውን+ ኣሎና። 13 ስለዚ፡ እዚ ንዓኻትኩም ክብሪ እዩ እሞ፡ ስለቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባ ኸይትሕለሉ እልምነኩም ኣለኹ።+ 14 ስለዚ፡ ንኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣለኹ፣ 15 ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ዓሌት፡ ካብኡ እዩ ዚስመ። 16 ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ በቲ ብመንፈሱ ዚውሃብ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡+ ከም ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኺህበኩም፡ 17 ብእምነትኩም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብፍቕሪ ምእንቲ ኺሓድር እጽሊ ኣለኹ።+ ኣብቲ መሰረት ሱር ስደዱን+ ተሰረቱን፣+ 18 በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳት ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ 19 ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ብዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ምልኣት ክትመልኡ ኢኹም። 20 ነቲ ኸምቲ ኣባና ዚዓዪ ዘሎ ሓይሉ ገይሩ፡+ ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኽእል ድማ፡+ 21 ንዕኡ በታ ጉባኤን ብክርስቶስ የሱስን ንዅሉ ውሉድ ወለዶ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቕዱሳትን+ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦ 3 እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ብዘሎና ሓድነት+ ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይወደስ፣ 4 ምኽንያቱ፡ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳትን ብዘይ ኣበርን+ ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ምስኡ* ሓድነት ኪህልወና ሓርዩና እዩ። 5 ከመይሲ፡ ከም ፍታዉን ከም ፍቓዱን+ ብየሱስ ክርስቶስ ውሉድነት ረኺብና ኸም ውሉዳቱ ኽንከውን+ ኣቐዲሙ መዲቡና እዩ፣+ 6 እዚ ኸኣ ንውዳሰ እቲ በቲ ፍቑር ወዱ+ ብለውሃት ዝሃበና ኽቡር ጸጋኡ እዩ።+ 7 ብእኡ፡ ብደሙ በጃ ተኸፊሉልና፡+ ማለት ከም ሃብቲ ጸጋኡ ኣበሳና ተሓዲጉልና ኣሎ።+ 8 ነዚ ጸጋ እዚ ብዅሉ ጥበብን ኣእምሮን ኣባና ኣዕዚዝዎ እዩ፣ 9 ማለት ቅዱስ ምስጢር ፍቓዱ ኣፍሊጡና እዩ።+ ከምቲ ብፍታዉ ንሱ ባዕሉ ዝዓለሞ፡ 10 እቲ ምዱብ ግዜያት ምስ ኣኸለ ንምምሕዳር፡* ማለት ኣብ ሰማያት ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ኵሉ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕልል እዩ።+ እወ፡ ብእኡ፡ 11 እቶም ከም ዕላማ እቲ ንዅሉ ኸም ፍቓዱ ዚውስኖ ኣቐዲምና ስለ እተመደብና፡+ ምስኡ ብዘሎና ሓድነት ከም ወረስቲ እተመደብና፡ 12 ብቐዳምነት እውን ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፡ ንውዳሰ ኽብሩ ምእንቲ ኸነገልግል እዩ። 13 ንስኻትኩም እውን ቃል ሓቂ፡ ማለት ብስራት ድሕነትኩም፡ ምስ ሰማዕኩም፡ ብእኡ ተስፋ ጌርኩም ኢኹም። ምስ ኣመንኩም ከኣ፡ በቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ተሓቲምኩም ኢኹም፣+ 14 እዚ ኸኣ ጥሪት ኣምላኽ በጃ+ ምእንቲ ኪኽፈለሉ፡+ ንውዳሰ ኽብሩ ዚኸውን ዕርቡን ርስትና እዩ።+ 15 በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባ እታ ብጐይታና የሱስ ዘላትኩም፡ ንዅሎም ቅዱሳት እውን ዘርኣኹምዋ እምነት ምስ ሰማዕኩ፡ 16 ብዛዕባኹም ካብ ምምስጋን ኣየቋረጽኩን። ኣብ ጸሎተይ እውን እጠቕሰኩም እየ፣ 17 እቲ ኣቦ ኽብሪ ዝዀነ ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ልክዕ ፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን ግልጸትን ምእንቲ ኺህበኩም እየ ኸምኡ ዝገብር።+ 18 ኣዒንቲ ልብኹም ዝበርሀ፡ እቲ እተጸዋዕኩምሉ ተስፋ እንታይ ከም ዝዀነ፡ ነቶም ቅዱሳት እንታይ ክቡር ሃብቲ ኸም ርስቲ ኸም ዚህቦም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡+ 19 ዕቤት ሓይሉ ንዓና ንኣመንቲ ኽሳዕ ክንደይ ሓለፍ ዝበለ ምዃኑ እውን ምእንቲ ኽትግንዘቡ እዩ።+ እዚ ኸኣ በቲ ብርቱዕ ሓይሉ ገይሩ 20 ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ምስ ኣቐመጦ፡+ ተራእዩ እዩ፣ 21 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብዚ ስርዓት* እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዚመጽእ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ጕይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ልዕል ኣቢልዎ እዩ።+ 22 ንዅሉ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚእዎ እዩ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉባኤ ዚምልከት ድማ ርእሲ ገይርዎ እዩ፣+ 23 ንሳ ኸኣ ሰብነቱ፡+ ናይቲ ንዅሉ ኣብ ኵሉ ዚመልእ እውን ምልኣቱ እያ። 2 ኣምላኽ ድማ፡ ንዓኻትኩም ብኣበሳኹምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ንዝነበርኩም ህያዋን ገይሩኩም እዩ፣+ 2 ንስኻትኩም ሓደ እዋን ከም ስርዓት* እዛ ዓለም እዚኣ፡+ ከምቲ ሓለቓ ስልጣን ኣየር፡+ ማለት ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ፡+ ትመላለሱ ኔርኩም። 3 ንሕና ዅላትና ኸኣ ሓደ እዋን፡ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትናን ፍቓድ እናፈጸምና፡+ ምስ ትምኒት ስጋና ተሰማሚዕና ኣብ መንጎኦም ንነብር ኔርና፣+ ከምቶም ካልኦት እውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ኢና ኔርና።+ 4 እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ+ ግና ሳላ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡+ 5 ብኣበሳና ምዉታት እኳ እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገይሩና እዩ፡+—ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። 6 ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት ድማ፡+ ኣተንሲኡናን ኣብ ሰማያት ኣቐሚጡናን እዩ፣ 7 ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓታት፡* እቲ ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ጸጋኡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎና ብሕያውነቱ* ምእንቲ ኼርኢ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝገበረ። 8 በዚ ጸጋ እዚ ድማ፡ ብእምነት ድሒንኩም ኣለኹም፣+ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። 9 ሓደ እኳ መመክሒ ምእንቲ ኸይረክብሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን።+ 10 ንሕና ስርሓት ኢድ ኣምላኽ ኢና፣* ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ኽንከውን ከኣ ኢና ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት+ ተፈጢርና።+ 11 ስለዚ፡ ኣቱም ብስጋ ኣህዛብ፡ በቶም ብኢድ ኣብ ስጋ ብዚገብርዎ ነገር “ግዙራት” ዚብሃሉ፡ ሓደ እዋን “ዘይግዙራት” ከም እተብሃልኩም ዘክሩ፣ 12 በቲ ግዜ እቲ፡ ብዘይ ክርስቶስ፡ ካብ ህዝቢ እስራኤል ዝረሓቕኩም፡ ንኺዳናት ተስፋ እውን ኣጋይሽ ኢኹም ኔርኩም፣+ ተስፋ ኣይነበረኩምን፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ ኢኹም ኔርኩም።+ 13 ሕጂ ግና፡ ኣቱም ሓደ እዋን ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎኩም ሓድነት፡ ብደም ክርስቶስ ቀሪብኩም ኣለኹም። 14 ከመይሲ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ጕጅለ ሓደ ዝገበረ፡+ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ መንደቕ ዘፍረሰ፡+ ሰላምና እዩ።+ 15 ነቶም ክልተ ጕጅለ ምስኡ ብዘለዎም ሓድነት ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺገብርን+ ሰላም ምእንቲ ኺገብርን፡ ብስጋኡ ነቲ ጽልኢ፡ ማለት ነቲ ትእዛዛትን ስርዓታትን ዝሓዘ ሕጊ ስዒርዎ እዩ፣ 16 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብርእሱ ነቲ ጽልኢ ስለ ዝቐተለ፡+ ንኽልቲኦም ኣብ ሓደ ሰብነት ገይሩ ምስ ኣምላኽ ብጕንዲ ስቅያት* ምእንቲ ኼተዓርቖም እዩ።+ 17 መጺኡ ኸኣ ንዓኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩም፡ ሰላም ኣበሲሩኩም እዩ፣ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ እውን ሰላም ኣበሲርዎም እዩ፣ 18 ምኽንያቱ፡ ክልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ ናጻ መእተዊ ኣሎና። 19 እምበኣርሲ፡ ደጊም ንስኻትኩም ንቕዱሳት ደቂ ዓዶምን+ ኣባላት ቤተ ሰብ ኣምላኽን ኢኹም እምበር፡+ ኣጋይሽን ጓኖትን ኣይኰንኩምን፣+ 20 ክርስቶስ የሱስ ባዕሉ እምኒ መኣዝን መሰረት ኪኸውን ከሎ፡+ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ተነዲቕኩም ኣለኹም።+ 21 ምስኡ ብሓደ ድማ ብዘሎ እቲ ህንጻ እናተገጣጠመ+ ንየሆዋ* ዚኸውን ቤተ መቕደስ ንምዃን ይዓቢ ኣሎ።+ 22 ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት፡ ብመንፈስ ማሕደር ኣምላኽ ክትኰኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።+ 4 እምበኣር፡ ኣነ ብጐይታ እሱር+ ዝዀንኩ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ+ እልምነኩም ኣለኹ፣ 2 ብዅሉ ትሕትናን+ ብልእመትን ብዓቕልን+ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተዓጋገስኩምን፡+ 3 ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ።+ 4 ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ+ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም፡ ሓደ ሰብነትን+ ሓደ መንፈስን ኣሎ፣+ 5 ሓደ ጐይታ፡+ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ 6 ኣብ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ኣሎ። 7 ከምቲ ክርስቶስ ዝሰፈረልና ናጻ ውህበት ከኣ፡+ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተዋሂቡና እዩ። 8 ከመይሲ፡ “ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማሪኹ፣ ውህበት ሰባት ሂቡ” ይብል እዩ።+ 9 እቲ “ደየበ” ዚብልሲ፡ ናብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ፡ ማለት ናብ ምድሪ ኸም ዝወረደ እውን እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ 10 እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት+ ዝደየበ እውን ንሱ እዩ።+ 11 ገሊኦም ሃዋርያት፡+ ገሊኦም ነብያት፡+ ገሊኦም ወንጌላውያን፡*+ ገሊኦም ጓሶትን መምህራንን+ ኪዀኑ ድማ ሂቡ እዩ። 12 እዚ ኸኣ እቶም ቅዱሳት ንግብሪ ኣገልግሎት፡ ንምህናጽ ሰብነት ክርስቶስ ምእንቲ ኪቐንዑ* እዩ፣+ 13 እዚ እውን ኵላትና ናብ ሓድነት እምነትን ናብ ልክዕ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽን፡ ናብ እኹል* ሰብኣይ፡+ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ እዩ። 14 ደጊም ብጥበራ ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ብዚኸውን ጕርሕን ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ+ ኸም ብማዕበል እንድፋእን ንየው ነጀው እንኽብከብን ቈልዑ ኣይንኹን። 15 ሓቂ እናተዛረብና ግና፡ ብዅሉ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ብፍቕሪ ንዕበ።+ 16 ካብኡ ድማ ኵሉ እቲ ሰብነት+ ብደገፍ መላግቦ ዘበለ ይገጣጠምን ይዋደድን እዩ። ኵሉ ኣካል ብግቡእ ምስ ዚዓዪ፡ ንርእሱ ብፍቕሪ ስለ ዚሃንጽ፡ እዚ ንዕቤት እቲ ሰብነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።+ 17 እምበኣር፡ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ሓሳቦም ዚመላለሱ+ ምእንቲ ኸይትመላለሱ፡+ እዚ እብልን ብጐይታ እምስክርን ኣለኹ። 18 ንሳቶም፡ ብሰሪ ድንቍርናኦምን ብሰሪ ትሪ ልቦምን፡ ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት ከኣ ርሒቖም እዮም። 19 ሕልናኦም ደንዚዙ፡ ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ድማ ንንውርምና*+ ርእሶም ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም። 20 ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን፣ 21 እወ፡ ከምታ ኣብ የሱስ ዘላ ሓቂ ጌርኩም፡ ብርግጽ ሰሚዕኩምዎን ብእኡ ተማሂርኩምን እንተ ትዀኑ ኔርኩምሲ፡ ከምኡ ኣይተመሃርኩምዎን። 22 እምበኣር፡ ነቲ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣነባብራኹም ዝዀነ ብዜታልል ትምኒቱ ዚበላሾ+ ኣረጊት ስብእና+ ኽትቅንጥጡ ተማሂርኩም ኢኹም። 23 ብኣተሓሳስባኹም* ከኣ ብቐጻሊ ተሓደሱ፣+ 24 ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና ድማ ልበሱ።+ 25 ስለዚ፡ ምትላል ካብ ኣርሓቕኩም፡ ኣካላት ሓድሕድ ስለ ዝዀንና፡+ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።+ 26 ተቘጥዑ፡ ግናኸ ኣይትሕጥኡ፣+ ተቘጢዕኩም ከለኹም፡ ጸሓይ ኣይትዕረብኩም፣+ 27 ንድያብሎስ እውን ኣጋጣሚ* ኣይትሃብዎ።+ 28 እቲ ዚሰርቕ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡+ ሰናይ እናገበረ ደኣ ብኣእዳዉ ይጽዓር እምበር፡+ ደጊምሲ ኣይስረቕ። 29 ንሰማዕቱ ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡+ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።+ 30 ነቲ ንእትብጀዉላ+ መዓልቲ እተሓተምኩምሉ+ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።+ 31 ኵሉ ምረትን+ ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን+ ኵሉ ኽፍኣትን+ ካባኻትኩም ይርሓቕ። 32 ግናኸ፡ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡+ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ።+ 6 ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ከም ፍቓድ ጐይታ ተኣዘዝዎም።+ 2 ኣብታ፡ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”+ እትብል ተስፋ ዘለዋ ቐዳመይቲ ትእዛዝሲ፡ 3 “ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ” ይብል እዩ። 4 ኣቱም ኣቦታት ድማ፡ ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን+ ብምዕዶን የሆዋ*+ ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተሕርቕዎም።+ 5 ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ሰብኣውያን* ጐይተትኩም፡ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ብግርህነት ልብኹም ተኣዘዝዎም፣+ 6 ከም ባሮት ክርስቶስ ኴንኩም ፍቓድ ኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኹም* እናገበርኩም እምበር፡+ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ኣይትግበርዎ።+ 7 ንሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ንየሆዋ*+ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ፣ 8 ባርያ ዀነ ወይስ ጭዋ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዘበለ ዚገብርሲ፡ ካብ የሆዋ* ውሬታ ኸም ዚቕበል ትፈልጡ ኢኹም።+ 9 ኣቱም ጐይተት እውን፡ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማያት ከም ዘሎ፡+ ኣብኡ ድማ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ምፍርራህ ሓዲግኩም፡ ከምኡ ግበሩሎም። 10 ብዝተረፈስ፡ ብጐይታን ብብርታዐ ሓይሉን በርትዑ።+ 11 ንፍሕሶ* ድያብሎስ ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ልበሱ፣+ 12 ምኽንያቱ፡ ቅልስና+ ምስ መንግስትታትን ምስ ስልጣናትን ምስ ናይዚ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ እኩያት መናፍስትን+ እዩ እምበር፡ ምስ ደምን ስጋን ኣይኰነን። 13 ስለዚ፡ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩም እውን ጸኒዕኩም ምእንቲ ኽትቈሙስ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ኣልዕሉ።+ 14 እምበኣር፡ ሕቘኹም ብዕጣቕ ሓቂ ተዓጢቕኩም፡+ ድርዒ ጽድቂ እውን ተኸዲንኩም+ ጸኒዕኩም ቁሙ፣ 15 ኣብ ኣእጋርኩም ከኣ ነቲ ብስራት ሰላም ንምብሳር ዘሎኩም ድሉውነት ከም ኣሳእን ውደዩ።+ 16 ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ፡ ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት* እቲ እኩይ ከተጥፍኡሉ+ እትኽእሉ ዓብዪ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።+ 17 ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ ድማ ኣእትዉ፣+ ናይ መንፈስ ሰይፊ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ እውን ሓዙ፣+ 18 ብዅሉ ጸሎትን+ ምህለላን ከኣ ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ።+ ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ምእንቲ ዅሎም ቅዱሳት እናተማህለልኩም፡ ወትሩ ንቕሑ። 19 ኣነ ኣፈይ ምስ ከፈትኩ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር እቲ ብስራት ከፍልጥ ከለኹ ብትብዓት ክዛረብ ቃል ምእንቲ ኺውሃበኒ፡ ምእንታይ እውን ጸልዩ።+ 20 ምእንቲ እዚ ኸኣ ብሰንሰለት እተኣሰርኩ ኣምባሳደር+ ኰይነ እዓዪ ኣለኹ እሞ፡ ብዛዕባኡ ኸምቲ ኽዛረቦ ዚግብኣኒ ዀይነ ኽተብዕሲ ጸልዩለይ። 21 ሃለዋተይን እንታይ እገብር ከም ዘለኹን ምእንቲ ኽትፈልጡ ኸኣ፡ ትኪቆስ+ እቲ ፍቑር ሓውን ብጐይታ እሙን ኣገልጋልን፡ ኵሉ ኼፍልጠኩም እዩ።+ 22 ብዛዕባና ምእንቲ ኽትፈልጡን ንልብኹም ምእንቲ ኼጸናንዖን እየ ናባኻትኩም ዝሰድዶ ዘለኹ። 23 ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ንኣሕዋት ይኹን። 24 ምስ ኵሎም እቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሓልፍ ዜፍቅርዎ ጸጋ ይኹን። 5 እምበኣር፡ ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ፣+ 2 ከምቲ ክርስቶስ እውን ዘፍቀረና፡*+ ርእሱ ኸኣ ንኣምላኽ ከም ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ ምእንታና* ዘሕለፈ፡+ ብፍቕሪ ተመላለሱ።+ 3 ምንዝርናን* ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ ንቕዱሳት ዚግባእ ስለ ዘይኰነ፡+ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ፣+ 4 ምስጋና እምበር፡+ ዜሕፍር ተግባር ኰነ፡ ዘረባ ዕሽነት ኰነ፡ ወይስ ጽዩፍ ዋዛ፡ ማለት ዘይግባእ ነገራት ኣባኻትኩም ኣይሰማዕ።+ 5 ከመይሲ፡ ኣመንዝራ* ዘበለ፡+ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡+ ንሱ ድማ ኣምላኺ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡን ተስተውዕሉን ኢኹም።+ 6 ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ቓላት ኣየታልልኩም። 7 እምበኣር፡ መኻፍልቶም ኣይትኹኑ፣ 8 ከመይሲ፡ ሓደ እዋን ጸልማት ኔርኩም ኢኹም፡ ሕጂ ግና ምስ ጐይታ ብዘሎኩም ሓድነት+ ብርሃን ኢኹም።+ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ፣ 9 ፍረ ብርሃንሲ፡ ኵሉ ሰናይን* ጽድቅን ሓቅን እዩ።+ 10 ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ፣+ 11 እንታይነቶም ኣቃልዕዎም ደኣ እምበር፡ ደጊም ኣብቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትካፈሉ።+ 12 እቲ ብሕቡእ ዚገብርዎ ነገርሲ ንምዝራቡ እኳ ዜሕፍር እዩ። 13 እቲ ዚግሃድ ዘበለ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ዚቕላዕ* በቲ ብርሃን ይግሃድ እዩ። 14 ስለዚ እዩ፡ “ኣታ ደቃሲ፡ ንቓሕ እሞ ኻብ ምዉታት ተንስእ፡+ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ”+ ዚብሃል። 15 እምበኣር፡ ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት* ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ 16 ቅንያቱ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።*+ 17 ስለዚ፡ ፍቓድ የሆዋ* እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ እምበር፡+ ደጊም ዓያሹ ኣይትኹኑ። 18 ብዘይካዚ፡ ብመንፈስ ተመልኡ እምበር፡ ናብ ዝርጋን* ስለ ዜብጽሕ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ።+ 19 ብልብኹም ንየሆዋ*+ እናዘመርኩምሉን+ እናኣዜምኩምሉን፡+ ብመዝሙርን ብውዳሰ ኣምላኽን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዛራረቡ።* 20 ኵሉ ሳዕ ድማ ንኣምላኽናን ኣቦናን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣመስግንዎ።+ 21 ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ ተገዛዝኡ።+ 22 ኣንስቲ ንሰብኡተን ከም ንጐይታ ገይረን ይገዝኣኦም፣+ 23 ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ ዝዀነ፡+ ነዚ ሰብነቱ እዚ እውን ዘድሓኖ፡ ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ።+ 24 ከምቲ እታ ጉባኤ ንክርስቶስ እትግዝኦ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይገዝኣኦም። 25 ኣቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራን ርእሱ ምእንታኣ ኣሕሊፉ ዝሃበን፡+ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ፣+ 26 ንሱ በቲ ቓል ገይሩ ብማይ ብምሕጻብ ኣጽርዩ ምእንቲ ኪቕድሳ፡+ 27 ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይብላ፡+ ቅድስትን ብዘይ ኣበርን ክብርቲ ጉባኤ ገይሩ ንርእሱ ምእንቲ ኬቕርባ እዩ ኸምኡ ዝገበረ።+ 28 ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ 29 ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ* ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን፣ ክርስቶስ እውን ነታ ጉባኤኡ ኸምኡ እዩ ዚገብረላ፣ 30 ምኽንያቱ፡ ኣካላት ሰብነቱ ኢና።+ 31 “ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡* ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ።”+ 32 እዚ ቕዱስ ምስጢር+ እዚ ዓብዪ እዩ። ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ክርስቶስን እታ ጉባኤን እዛረብ ኣለኹ።+ 33 ዝዀነ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣+ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።+ 3 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ተሓጐሱ።+ እዚ መሊሰ ምጽሓፈይ ንዓይ ዜሸግረኒ ኣይኰነን፡ ንዓኻትኩም ከኣ ንድሕንነትኩም እዩ። 2 ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ ሃሰይቲ ተጠንቀቑ፡ ስጋ ኻብ ዚቘርጹ ተጠንቀቑ።+ 3 ንሕና ብመንፈስ ኣምላኽ እነገልግልን* ብክርስቶስ የሱስ እንምካሕን+ ብስጋ ዘይንተኣማመንን፡ ብናይ ሓቂ ግዝረት እተገዘርና ኢና።+ 4 ብስጋ መተኣማመኒ ዘለዎ እንተሎ፡ ኣነ እውን ኣሎኒ። ብስጋ መተኣማመኒ ዘለዎ ዚመስሎ እንተሎ፡ ኣነ ዝያዳ ኣሎኒ፦ 5 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡+ ካብ ህዝቢ እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡+ ንሕጊ ብዚምልከት ፈሪሳዊ እየ፣+ 6 ንቕንኣት ብዚምልከት ንጉባኤ ዝሰጐጕኩ፡+ ብሕጊ ንዚርከብ ጽድቂ ብዚምልከት መንቅብ ዘይብለይ እየ። 7 እዚ ንዓይ ረብሓ ዝነበረ ግና፡ ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ክሳራ ቘጺረዮ እየ።*+ 8 ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ ስለቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ኵሉ ኸም ክሳራ ቘጺረዮ እየ። ስሊኡ ዅሉ ኸሲረ እየ፡ ከም ጐሓፍ ድማ ቈጺረዮ እየ፣ እዚ ዝገበርኩ ኸኣ፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ፡ 9 ሳላ እቲ ሕጊ ብምስዓብ ዚህልወኒ ናይ ርእሰይ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ሳላ እቲ ብክርስቶስ ብምእማን ዚርከብ ጽድቂ፡+—ኣብ እምነት እተመስረተ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ፡+—ምስኡ ሓድነት ዘሎኒ ዀይነ እውን ምእንቲ ኽርከብ እየ። 10 ሸቶይ ንዕኡን ንሓይሊ ትንሳኤኡን ምፍላጥ፡+ ንኸም ናቱ ዝኣመሰለ ሞት ርእሰይ እናኣግዛእኩ+ ድማ ኣብ መከራኡ ምክፋል እዩ፣+ 11 ብገለ እውን ናብቲ ዝቐደመ ትንሳኤ ምዉታት እንተ በጻሕኩ እዩ።+ 12 ነቲ ብክርስቶስ የሱስ እተሓረኹሉ እንተ ረኸብክዎ ኢለ+ እግስግስ ኣለኹ እምበር፡+ ድሮ ኣይረኸብክዎን፡ ወይስ ድሮ ፍጹም ኣይኰንኩን። 13 ኣሕዋተየ፡ ከም ዝረኸብክዎ ገይረ ንርእሰይ ገና ኣይቈጽራን እየ፣ ሓደ ነገር ግና፡ ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡+ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ፡+ 14 ናብቲ ሸቶ ኣቢለ፡ ናብቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ሽልማት+ ናይ ላዕሊ ጽውዓ+ ኣምላኽ እግስግስ ኣለኹ። 15 እምበኣር፡ እቶም ብሱላት ዘበልና፡+ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ይሃልወና፣ ብገለ ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ኣምላኽ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣረኣእያ ኺገልጸልኩም እዩ። 16 ዝዀነ ዀይኑ፡ በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ። 17 ኣሕዋተየ፡ ብሓባር ንዓይ ምሰሉ፡+ ናብቶም ንሕና ምስ ዝሓደግናልኩም ኣርኣያ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ጠምቱ። 18 ከመይሲ፡ ብዙሕ ሳዕ ዝጠቕሶም ዝነበርኩ፡ ሕጂ እውን እናበኸኹ ዝጠቕሶም፡ ብዙሓት ጸላእቲ ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ ኣለዉ። 19 መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፣ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፣ ክብሮም ኣብ ዜሕፍር ተግባሮም እዩ፣ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ።+ 20 ንሕና ግና ዜጋታት+ ሰማይ ኢና፣+ ካብኣ ድማ መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ተሃንጢና ንጽበ ኣለና።+ 21 ንሱ በቲ ንዅሉ ዚገዝኣሉ ዓብዪ ሓይሉ ገይሩ ነዚ እተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፡+ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኼምስሎ እዩ።+ 1 ካብቶም ባሮት ክርስቶስ የሱስ ዝዀኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፡ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ፊልጲ+ ዘለዉ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት፡ ምስ ኵሎም ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን፦+ 3 ክዝክረኩም ከለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣ 4 ምእንቲ ዅላትኩም ክምህለል ከለኹ፡ ምህለላይ ብሓጐስ እየ ዘቕርቦ።+ 5 ስለምንታይሲ፡ ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ነቲ ብስራት ኣበርክቶ* ጌርኩም ኢኹም። 6 እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ፡ ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ የሱስ+ ከም ዚፍጽሞ እተኣማመን እየ።+ 7 ኣቱም ተኣሲረ ኸለኹ+ ዀነ ነቲ ብስራት ክማጐተሉን ብሕጊ ኽስርቶን ከለኹ+ ኣብቲ ጸጋ መኻፍልተይ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም እዚ ምሕሳበይ ቅኑዕ እዩ። 8 ከም ናይ ክርስቶስ የሱስ ብዝዓይነቱ ልባዊ ፍቕሪ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። 9 ፍቕርኹም ብልክዕ ፍልጠትን+ ብምሉእ ምስትውዓልን+ ገና እናበዝሐ ኪኸይድ፡ እዚ እጽሊ ኣለኹ፣+ 10 እንታ ዘይብልኩምን ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ ንኻልእ ዘይትዕንቅፉን+ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ፡+ 11 ንኽብርን ውዳሰን ኣምላኽ ከኣ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ ኽትምልኡ እየ እዚ ዝገብር ዘለኹ።+ 12 ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ ነገር ንምስፋሕ እቲ ብስራት ኰይኑ ኸም ዘሎ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፣ 13 ስለዚ፡ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ እተኣሰርኩሉ ማእሰርተይ፡+ ኣብ ኵሎም እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይን ኣብ ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ።+ 14 መብዛሕትኦም ብጐይታ ኣሕዋት፡ ብምኽንያት ማእሰርተይ እምንቶ ኣሕዲሮም፡ ከይፈርሁ ቓል ኣምላኽ ንምዝራብ ብዝያዳ ተቢዖም ኣለዉ። 15 ገሊኦም ንክርስቶስ ብቕንእን ብባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16 እዞም ዳሕሮት ነቲ ብስራት ክማጐተሉ+ ኸም እተመደብኩ ይፈልጡ እዮም እሞ፡ ንክርስቶስ ብፍቕሪ ይሰብክዎ ኣለዉ፣ 17 እቶም ቀዳሞት ግና ኣብቲ ማእሰርተይ ጸበባ ኼምጽኡለይ ይሓስቡ ኣለዉ እሞ፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ብንግርምና ይሰብክዎ ኣለዉ። 18 እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ እንተ ብምስሉይነት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፡ ኣነ ኸኣ በዚ እሕጐስ እየ፡ ክሕጐስ እውን እየ፣ 19 ከመይሲ፡ እዚ ነገር እዚ ብምህለላኹምን+ ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን+ ንድሕነተይ ከም ዚኸውን እፈልጥ ኣለኹ። 20 ብገለ እኳ ምእንቲ ኸይሓፍር፡ የግዳስ ከም ኵሉ ሳዕ ሕጂ እውን ብትብዓት ብምዝራብ፡ እንተ ብህይወት ወይስ ብሞት፡+ ክርስቶስ ብሰብነተይ ምእንቲ ኪኸብር፡ ሃረርታይን ተስፋይን እዩ። 21 ንዓይሲ፡ ብህይወት ምንባር ክርስቶስ እዩ፡+ ሙማት ድማ ረብሓ እዩ።+ 22 ብስጋ እንተ ነቢረ ኸኣ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣየናይ ከም ዝሓሪ ኣይመፍለጥኩን። 23 በዘን ክልተ እዚአን እጭነቕ ኣለኹ፣ ናጻ ምዃንን ምስ ክርስቶስ ምዃንን+ ትምኒት ኣሎኒ፣ እዝስ ዝሓሸ እዩ።+ 24 ምእንታኹም ግና፡ ብስጋ ምጽናሐይ ብዝያዳ የድሊ እዩ። 25 በዚ ተኣማሚነ ኸኣ፡ ምእንቲ ዕቤትኩምን ሓጐስ እምነትኩምን፡ ምስ ኵላትኩም ከም ዝጸንሕን ከም ዝቕጽልን እፈልጥ እየ፣ 26 እዚ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ምሳኻትኩም ብምህላወይ፡ ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኩም ፍስሃ ምእንቲ ኺዓዝዝ እዩ። 27 መጺአ ዝርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ኣብኡ እንተ ዘየለኹ፡ ስለ እምነት እቲ ብስራት ብሓንቲ ነፍሲ* ብሓባር እናጸዓርኩም፡ ብሓደ መንፈስ ጸኒዕኩም+ ከም ዝቘምኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ነቲ ብስራት ክርስቶስ ከም እትበቕዑ ዄንኩም ንበሩ፣*+ 28 ብተጻረርትኹም ብገለ እኳ ኸም ዘይትፈርሁ እውን፡ ክሰምዕ እደሊ እየ። እዚ ንዓታቶም ንጥፍኣት፡+ ንዓኻትኩም ግና ንድሕነት ዚኸውን መርትዖ እዩ፣+ እዚ እውን ካብ ኣምላኽ እዩ። 29 ምእንቲ ክርስቶስ ሓለፋ እተዋህበስ፡ ንዓኻትኩም እዩ፣ እዚ ድማ ምእንታኡ መከራ ኽትጸግቡ እውን እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን።+ 30 ከመይሲ፡ ከምቲ ኣባይ ዝረኣኹምዎ፡+ ሕጂ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም ዓይነት ገድሊ ኣሎኩም። 2 እምበኣር፡ ብክርስቶስ ገለ መተባብዒ፡ ወይስ ገለ መጸናንዒ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ መንፈሳዊ ሕብረት፡* ወይስ ገለ ልባዊ ፍቕርን ርሕራሐን እንተሎ፡ 2 ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት ኣልዩኩም፡* ሓደ ሓሳብ ብምሕሳብኩም፡ ሓጐሰይ ምሉእ ግበርዎ።+ 3 ካብ ንግርምና+ ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ+ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።+ 4 ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡+ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።+ 5 እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡+ ኣባኻትኩም እውን ይሃሉ። 6 ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡+ ማዕረ ኣምላኽ ኪኸውን ኢሉ ኺምንዝዕ ኣይሓሰበን።+ 7 የግዳስ፡ ገዛእ ርእሱ ባዶ ገይሩ፡ መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡+ ሰብ እውን ኰይኑ እዩ።*+ 8 ከም ሰብ ኰይኑ ምስ መጸ* ድማ፡ ርእሱ ኣትሒቱ እዩ፣ ክሳዕ ሞት፡+ አረ ኣብ ጕንዲ ስቅያት* ክሳዕ ሙማት እኳ ተኣዚዙ እዩ።+ 9 ስለዚ፡ ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣቢልዎ፡+ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሂብዎ።+ 10 ከምኡ ዝገበረ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡+ 11 ኵሉ ልሳን እውን ንኽብሪ ኣቦና ኣምላኽ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ምእንቲ ኺእመን እዩ።+ 12 ስለዚ፡ ፍቑራተየ፡ ከምቲ ምሳኻትኩም ከለኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ከየለኹ እውን ብዝያዳ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ። 13 እቲ ምእንቲ ፍታዉ ኢሉ ንዓኻትኩም ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩምሲ ኣምላኽ እዩ። 14 ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን+ ብዘይ ክርክርን+ ግበርዎ። 15 ከምኡ እትገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ፡+ መንቅብ ዘይብሎምን ገርህታትን ኣበር ዘይብሎም ውሉዳት ኣምላኽ ኴንኩም፡+ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡+ 16 ነቲ ቓል ህይወት እውን ኣጽኒዕኩም ምእንቲ ኽትሕዝዎ እዩ።+ ሽዑ፡ በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ ፈሊጠ መሐጐሲ ኽረክብ እየ። 17 ግናኸ፡ ኣብቲ ብእምነትኩም ተደሪኽኩም እትገብርዎ መስዋእትን+ ቅዱስ ኣገልግሎትን* ከም መስዋእቲ መስተ+ እፈስስ እኳ እንተ ኣለኹ፡ ባህ ይብለንን ምስ ኵላትኩም እሕጐስን እየ። 18 ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ ይበልኩምን ምሳይ ተሓጐሱን። 19 ብዛዕባኹም ሰሚዐ ምእንቲ ኽተባባዕ ከኣ፡ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ኽልእከልኩም ብጐይታና የሱስ ተስፋ ገይረ ኣለኹ።+ 20 ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ የብለይን። 21 ኵላቶምሲ ናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዚደልዩ እምበር፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። 22 ግናኸ፡ ከምቲ ውሉድ+ ንኣቦኡ ዚዀኖ ዀይኑ፡ ነቲ ብስራት ምሳይ ኰይኑ ብምግልጋል፡ ብዛዕባ ርእሱ ዘቕረቦ መርትዖ ትፈልጡ ኢኹም። 23 እምበኣር፡ ኵነታተይ ምስ ረኣኹ፡ ቀልጢፈ ንዕኡ ኽልእከልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ። 24 ኣነ ባዕለይ እውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እተኣማመን እየ።+ 25 ንሕጂ ግና ነቲ ሓወይን መዓይይተይን ብጻየይ ወተሃደርን ዝዀነ፡ ብዜድልየኒ ዘበለ ኼገልግለኒ ኸኣ ዝለኣኽኩምዎ ኤጳፍሮዲጦስ ክልእከልኩም ኣድላዪ ዀይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።+ 26 ምኽንያቱ፡ ንሱ ንዅላትኩም ኪርእየኩም ናፊቑ ኣሎ፡ ምሕማሙ ብምስማዕኩም ከኣ ተጨኒቑ ኣሎ። 27 አረ ሓሚሙስ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ፣ ኣምላኽ ግና ምሒርዎ፣ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፡ ንዓይ እውን እምበር፡ ንዕኡ ጥራይ ኣይኰነን ዝመሓሮ። 28 ስለዚ፡ ምስ ረኣኹምዎ፡ ከም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነ እውን ጭንቀተይ ምእንቲ ኪቐልለለይ፡ ተቐላጢፈ እልእኮ ኣለኹ። 29 እምበኣር፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸኣ ኣኽብርዎም፣+ 30 ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንስኻትኩም ኣብዚ ብዘይምህላውኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ ኢሉ፡+ ስለ ዕዮ ክርስቶስ* ህይወቱ* ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ። 4 ስለዚ፡ ኣቱም ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን+ ዝዀንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ በዚ ኸምዚ ብጐይታ ጽንዑ።+ 2 ሓሳበን ብጐይታ ሓደ ኪኸውን፡ ንኤዎድያ እምሕጸና፡ ንስንጥኬ እውን እምሕጸና ኣለኹ።+ 3 እወ፡ ንዓኻ ኣታ ናይ ሓቂ መዓይይተይ* እውን ክትድግፈን እልምነካ ኣለኹ፣ ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት+ እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምእንቲ እቲ ብስራት ኣብ ጐድነይ ዝጸዓራ* እየን። 4 ኵሉ ሳዕ ብጐይታ ተሓጐሱ። ደጊመ፡ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።+ 5 ልዙባት*+ ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ። ጐይታ ቐረባ እዩ። 6 ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡+ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣+ 7 እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም+ ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን+ ንኣእምሮኹምን* ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ። 8 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ዚዝረበሉ ዘበለ፡ ሕያውነት* ዘበለ፡ ዚንኣድ ዘበለ ብቐጻሊ ሕሰቡ።*+ 9 እቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ዝረኣኹምዎን፡ እዚ ግበርዎ እሞ፡+ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ። 10 ሕጂ ኣብ መወዳእታ ኸም ብሓድሽ ትሓስቡለይ ብምህላውኩም፡ ብዙሕ እሕጐስ እየ።+ ብዛዕባይ ትሓስቡ እኳ እንተ ነበርኩም፡ ነዚ ኸተርእዩ ግና ኣጋጣሚ ኣይነበረኩምን። 11 ኣነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል* ተማሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘለኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብል ዘለኹ።+ 12 ዋሕድን+ ብዝሕን እፈልጥ እየ። ኣብ ኵሉን ብዅሉ ዅነታትን ናይ ጽጋብን ጥሜትን፡ ናይ ርኽበትን ስእነትን ምስጢር እፈልጥ እየ። 13 በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።+ 14 መኻፍልቲ ጸበባይ ብምዃንኩም ግና፡ ጽቡቕ ኢኹም ጌርኩም። 15 ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ብስራት ድሕሪ ምፍላጥኩም፡ ኣነ ኻብ መቄዶንያ ምስ ነቐልኩ፡ ኣብ ምሃብን ምቕባልን፡ ብዘይካ ንስኻትኩም በይንኹም፡ ሓንቲ ጉባኤ እኳ ምሳይ ከም ዘይሓበረት ትፈልጡ ኢኹም፣+ 16 ምኽንያቱ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እውን፡ ሓደ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክልተ ሳዕ ዜድልየኒ ሰዲድኩምለይ ኢኹም። 17 ኣነስ እቲ ፍረ ብዝያዳ ምእንቲ ኺጽብጸበልኩም ደልየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። 18 ግናኸ፡ ዜድልየኒ ዘበለ ዅሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉ እውን ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኽኩምለይ ምዑዝ ሽታ፡+ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ቅቡል መስዋእቲ፡ ካብ ኤጳፍሮዲጦስ+ ብምቕባለይ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። 19 ኣምላኸይ ከኣ ከም መጠን እቲ ኽቡር ሃብቱ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ዜድልየኩም ዘበለ ዅሉ ኺምልኣልኩም እዩ።+ 20 ንኣምላኽናን ኣቦናን ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 21 ንዅሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም ቅዱሳት ሰላም በሉለይ። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት እውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22 ኵሎም እቶም ቅዱሳት፡ ምናዳ ኸኣ እቶም ካብ ቤተ ሰብ ቄሳር ዘበሉ፡+ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 23 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። 3 እምበኣር፡ ምስ ክርስቶስ ካብ ተንሳእኩም፡+ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።+ 2 ሓሳብኩም ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡+ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ የተኵር።+ 3 ከመይሲ፡ ሞይትኩም ኢኹም፣ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣምላኽ ብዘለዎ ሓድነት ተሰዊራ ኣላ። 4 እቲ ህይወትና ዝዀነ ክርስቶስ+ ምስ ተጋህደ፡ ሽዑ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግሃዱ ኢኹም።+ 5 እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡+ ማለት ምንዝርና፡* ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡+ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ። 6 ብሰሪ እዚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ይመጽእ ኣሎ። 7 ንስኻትኩም እውን ኣብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኹም፡* ብኸምኡ ኢኹም እትመላለሱ ኔርኩም።+ 8 ሕጂ ግና እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡+ ጸርፊ፡+ ጽዩፍ ዘረባ+ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። 9 ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።+ ነቲ ኣረጊት ስብእና* ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡+ 10 ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ+ ሓድሽ ስብእና ልበሱ።+ 11 ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ጓና፡ ስኪት፡* ባርያ፡ ጭዋ የልቦን፣ የግዳስ፡ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ።+ 12 እምበኣር፡ ከም ሕሩያት ኣምላኽ፡+ ቅዱሳትን ፍቑራትን ኴንኩም፡ ልባዊ ርሕራሐ፡+ ለውሃት፡ ትሕትና፡+ ልእመት፡+ ዓቕሊ+ ልበሱ። 13 ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡+ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።+ ከምቲ የሆዋ* ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።+ 14 ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ+ እሞ፡ ልበስዋ።+ 15 እቲ ብሓደ ሰብነት እተጸዋዕኩምሉ ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ።*+ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ። 16 ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ ብብዝሒ ይሕደርኩም። ብልብኹም ንየሆዋ* እናዘመርኩም፡ ብመዝሙርን+ ብውዳሰ ኣምላኽን ብምስጋና ብዚዝመር* መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን።*+ 17 ብቓል ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ብየሱስ ንኣቦና ኣምላኽ እናኣመስገንኩም፡ ኵሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ።+ 18 ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም።+ 19 ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡+ ኣይትነድሩለን።*+ 20 ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።+ 21 ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡* ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።*+ 22 ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ሰብኣውያን* ጐይተትኩም፡+ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ዘይኰነስ፡ ብግርህነት ልብን ብፍርሃት የሆዋን* ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 23 እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ* ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ብምሉእ ነፍስኹም* ግበርዎ፣+ 24 ከመይሲ፡ እቲ ርስቲ ኻብ የሆዋ* ኸም ዓስቢ ኸም እትቕበልዎ ትፈልጡ ኢኹም።+ ንጐይታና ክርስቶስ ተገዝእዎ። 25 እቲ ዚዕምጽሲ ኸምቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፣+ ኣድልዎ ድማ የልቦን።+ 1 ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስን ካብ ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ 2 ናብቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቕዱሳትን ምስ ክርስቶስ ብዘለዎም ሓድነት እሙናትን፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 3 ምእንታኹም ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ነመስግኖ ኢና፣ 4 ከመይሲ፡ ብዛዕባ እታ ብክርስቶስ የሱስ ዘላትኩም እምነትን ንዅሎም ቅዱሳት ዘላትኩም ፍቕርን ሰሚዕና ኢና፣ 5 እዚኣ ኸኣ ሳላ እታ ኣብ ሰማያት ተነቢራትልኩም ዘላ ተስፋ እያ።+ ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ ብመልእኽቲ ሓቂ እቲ ብስራት ኣቐዲምኩም ሰሚዕኩም ኢኹም፣ 6 እዚ ድማ ናባኻትኩም መጺኡ እዩ። ከምቲ እቲ ብስራት ኣብ ኵላ ዓለም ዚፈርን ዚዓብን ዘሎ፡+ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ብልክዕ ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ኣባኻትኩም እውን ከምኡ ይኸውን ኣሎ። 7 ካብቲ ፍቑር ብጻይና ባርያ፡ ኣብ ክንዳና እውን ዜገልግል እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝዀነ ኤጳፍራስ፡+ እዚ ኢኹም እተመሃርኩም። 8 መንፈሳዊ ፍቕርኹም* ዘፍለጠና እውን ንሱ እዩ። 9 ስለዚ ኸኣ፡ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ኣትሒዝና፡ በቲ ልክዕ ፍልጠት+ ፍቓዱ ብዅሉ ጥበብን ብመንፈሳዊ ግንዛበን+ ክትምልኡ ምእንታኹም ካብ ምጽላይን+ ካብ ምልማንን ኣየቋረጽናን። 10 ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረኹምን ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ+ እናዓበኹምን ንየሆዋ* እትበቕዑ ዄንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱን ብዅሉ ንዕኡ ምእንቲ ኸተሐጕስዎን ከኣ ኢና ኸምኡ ዝገበርና። 11 ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽትጻወሩ፡ ከምቲ ኽቡር ሓይሉ ብዅሉ ሓይሊ በርትዑ፣+ 12 ነቲ ኻብ ርስቲ እቶም ኣብ ብርሃን ዘለዉ ቕዱሳት+ ክትካፈሉ ዘብቅዓኩም ኣቦ እውን ኣመስግንዎ። 13 ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ኣናጊፉና እዩ፣+ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እውን ኣእትዩና እዩ። 14 ብወዱ በጃ ተኸፊሉልና፡ ማለት ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ።+ 15 ንሱ ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡+ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት እዩ፣+ 16 ከመይሲ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡+ ዝፋናት ወይስ ጕይትነት ወይስ መንግስትታት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ* ብእኡ እዩ ተፈጢሩ። ኵሉ ብእኡን+ ንዕኡን እዩ ተፈጢሩ። 17 ንሱ ድማ ቅድሚ ዅሉ እዩ፣+ ኵሉ ኸኣ ብእኡ እዩ ቘይሙ፣ 18 ንሱ ርእሲ ሰብነቱ፡ ማለት ርእሲ ጉባኤኡ፡ እውን እዩ።+ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ፡ ካብ ምዉታት እውን በዅሪ እዩ፣+ 19 ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ፡ ኵሉ ምልኣት ኣብኡ ኺሓድር ባህ ኢልዎ እዩ፣+ 20 ብእኡ ድማ በቲ ኣብቲ ጕንዲ ስቅያት* ዝፈሰሰ ደሙ ገይሩ ሰላም ብምግባር፡+ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዀነ ወይስ ኣብ ሰማያት ዘሎ ዅሉ ምስ ርእሱ የተዓርቕ እዩ።+ 21 ኣቱም ሓሳብኩም ኣብ እኩይ ግብሪ ብምንባሩ፡ ሓደ እዋን ርሑቓትን ጸላእትን ዝነበርኩም፡ 22 ቅዱሳትን ብዘይ ኣበርን መንቀፊ ዘይብሎምን+ ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቕርበኩም፡ ሕጂ ብስጋዊ ሰብነት እቲ ዝሞተ ገይሩ ተዓሪቕኩም እዩ። 23 እዚ ዚኸውን ግና፡ ካብ ተስፋ እቲ ዝሰማዕኩምዎን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት እተሰብከን ብስራት+ ከይተነቓነቕኩም፡ ኣብታ መሰረት ተሰሪትኩምን+ ጸኒዕኩምን+ ብእምነት እንተ ቐጺልኩም እዩ።+ ኣነ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ብስራት እዚ እየ ኣገልጋሊ ዀይነ።+ 24 ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዘጓነፈኒ መከራ እሕጐስ ኣለኹ፣+ ኣብ ስጋይ ድማ ነቲ ዚተርፈኒ ጸበባ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ሰብነቱ፡+ ማለት ጉባኤኡ፡ አሕልፍ ኣለኹ።+ 25 ኣነ ኣገልጋሊ እዛ ጉባኤ እዚኣ ዝዀንኩ፡ ብመጠን እቲ ቓል ኣምላኽ መሊአ ኽሰብኽ ምእንታኹም ካብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዩ፣+ 26 እዚ ኸኣ ካብ ዝሓለፈ ስርዓታትን*+ ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ቕዱስ ምስጢር እዩ።+ ሕጂ ግና፡ ንቕዱሳት ተገሊጹ ኣሎ፣+ 27 ኣምላኽ ንዓታቶም ነቲ ኽቡር ሃብቲ እዚ ቕዱስ ምስጢር+ እዚ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኬፍልጦም ፈትዩ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ዘለዎ ክርስቶስ፡ ንኽብሩ እውን ዘሎኩም ተስፋ እዩ።+ 28 ንዅሉ ሰብ ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎ ምሉእ ጌርና ምእንቲ ኸነቕርቦ፡ ብዅሉ ጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድናን ንዅሉ ሰብ እናመሃርናን፡ ንዕኡ ኢና እንሰብኽ ዘለና።+ 29 ነዚ ድማ፡ ኣነ በቲ ኣባይ ብሓይሊ ዚዓዪ ዘሎ ብርታዐኡ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣለኹ።+ 2 ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ+ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ብኣካል ዘይረኣዩንን፡* ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘሎኒ ኽትፈልጡ ኸኣ እደሊ ኣለኹ። 2 እዚ ድማ ልቦም ተጸናኒዑ+ ብፍቕሪ ኺሰምሩ እሞ፡+ ካብቲ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸ ምስትውዓል ዚርከብ ኵሉ ሃብቲ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ልክዕ ፍልጠት እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ እውን ምእንቲ ኺረኽቡ ኢለ እየ።+ 3 ኣብኡ ኸኣ ብዘሎ መዛግብቲ ጥበብን ፍልጠትን ተሰዊሩ ኣሎ።+ 4 ሓደ እኳ ብዚሓብል ዘረባ ኸየታልለኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘለኹ። 5 ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም እየ፣ ስርዓትኩምን+ ጽንዓት እታ ብክርስቶስ ዘላትኩም እምነትን እናረኣኹ እውን እሕጐስ ኣለኹ።+ 6 እምበኣር፡ ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ምስኡ ብሓድነት ተመላለሱ፣ 7 ከምቲ እተመሃርኩምዎ፡ ኣብኡ ሱር ስደዱን ተሃነጹን+ ብእምነት ጽንዑን፡+ ብምስጋና እውን ዕዙዛት ኩኑ።+ 8 ኣብ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ስርዓት ሰብን ኣብ መባእታዊ ነገራት ዓለምን እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን+ ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡* ተጠንቀቑ። 9 ከመይሲ፡ ኵሉ ምልኣት መለኮታዊ ባህርይ ብጭቡጥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ዚሓድር።+ 10 ንስኻትኩም እውን ብእኡ፡ በቲ ርእሲ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን፡ ምልኣት ረኺብኩም ኣለኹም።+ 11 በቲ ምስኡ ዘሎኩም ርክብ ከኣ በታ ብዘይ ኢድ፡ ስጋዊ ሰብነት ብምቕንጣጥ እትግበር ግዝረት፡+ በታ ናይ ክርስቶስ ግዝረት ተገዚርኩም ኢኹም።+ 12 ብጥምቀቱ ምስኡ ተቐቢርኩም ኢኹም፣+ በቲ ምስኡ ዘሎኩም ርክብ እውን በታ ኣብቲ ሓያል ግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ+ ዘላትኩም እምነት ብሓባር ተንሲእኩም ኢኹም።+ 13 ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን ምዉታት እኳ እንተ ነበርኩም፡ ኣምላኽ ምስኡ ህያዋን ገይሩኩም እዩ።+ ንሱ ንዅሉ ኣበሳና ብለውሃት ይቕረ ኢሉልና እዩ፣+ 14 ነቲ ትእዛዛት ዝሓዘን+ ዚቃወመናን+ ብኢድ እተጻሕፈ ሰነድ+ ከኣ ደምሲስዎ እዩ። ንዕኡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት* ሸንኪሩ ድማ ኣርሒቕዎ እዩ።+ 15 ንመንግስትታትን ንስልጣናትን ቀንጢጡ፡ ኣብ ዓጀባ ዓወት ብእኡ* እናመርሖም፡ ብግህዶ ኸም እተሳዕሩ ኣርእዩ እዩ።+ 16 እምበኣር፡ ብብልዕን ብመስተን፡+ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡+ ወይ ብሰንበት+ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። 17 እዝስ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ፣+ እቲ ናይ ሓቂ ግና ክርስቶስ እዩ።+ 18 ናይ ሓሶት ትሕትናን ኣምልኾ መላእኽትን ዚፈቱ ሓደ እኳ ኣብቲ ዝረኣዮ ነገር “መርገጹ ብምግባር”* ሽልማትኩም+ ኣይከልክልኩም። ንሱ ብስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ብኸንቱ ይንፋሕ እዩ፣ 19 ኣብቲ ርእሲ እውን ኣይጸንዕን እዩ።+ በቲ ርእሲ እቲ፡ ብዘሎ እቲ ሰብነት ይምገብ፡ ብመላግቦን ጅማትን ከኣ ይገጣጠም እዩ፣ ካብ ኣምላኽ ብእተዋህበ ዕቤት እውን ይዓቢ እዩ።+ 20 ንመባእታዊ ነገራት ዓለም ብዚምልከት ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡+ ስለምንታይ ደኣ ገና ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ዝዀንኩም ኴንኩም እናነበርኩም፡ 21 “ኣይትሓዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ” ዚብል ትእዛዛት እትግዝኡ፧+ 22 እዚ ኸም ናይ ሰብ ዝበለ ትእዛዛትን ትምህርትታትን እዚ፡ ምስ ተገብረ፡ ኵሉ ይጠፍእ እዩ።+ 23 እዚ ብፍቓድ ርእስኻ ዚግበር ኣምልኾን ናይ ሓሶት ትሕትናን ምሕሳም ሰብነትን+ መልክዕ ጥበብ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ትምኒት ስጋ ንምቅላስ ግና ኣይጠቅምን እዩ። 4 ኣቱም ጐይተት፡ ንስኻትኩም እውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ንባሮትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።+ 2 ብጸሎት ጽንዑ፣+ ምስ ምስጋና እውን ብእኡ ንቕሑ።+ 3 እቲ ተኣሲረሉ ዘለኹ ቕዱስ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፡+ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ኣፍ ደገ ኪኸፍተልናስ፡ ምእንታና ድማ ጸልዩ።+ 4 ኣነ እውን ከምቲ ዚግብኣኒ ገይረ ብንጹር ክዛረብ፡ ጸልዩለይ። 5 ንግዜኹም ብዝበለጸ እናተጠቐምኩም፡*+ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። 6 ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡+ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡+ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን። 7 ትኪቆስ+ እቲ ፍቑር ሓወይን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ ብጻየይ ባርያን፡ ኵሉ ሃለዋተይ ኬፍልጠኩም እዩ። 8 ብዛዕባና ምእንቲ ኽትፈልጡን ንልብኹም ምእንቲ ኼጸናንዖን እየ ናባኻትኩም ዝሰድዶ ዘለኹ። 9 ምስኡ እውን እቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቑርን ሓወይ ኦኔሲሞስ+ ይመጸኩም ኣሎ። ንሳቶም፡ ኵሉ እቲ ኣብዚ ዝዀነ ኺነግሩኹም እዮም። 10 እቲ መተኣስርተይ ኣርስጣርኮስ+ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፣ እቲ ናባኻትኩም እንተ መጺኡ ኽትቅበልዎ+ እተነግረኩም ማርቆስ+ ዘመድ በርናባስን 11 እቲ ዮስጦስ ዚብሃል የሱስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ፣ እዚኣቶም ካብቶም እተገዝሩ እዮም። ንመንግስቲ ኣምላኽ መዓይይተይ ዝዀኑ እዚኣቶም ጥራይ እዮም፣ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ* እውን ኰይኖምኒ ኣለዉ። 12 እቲ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ኤጳፍራስ+ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ምሉኣትን ንዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ኣጸቢቕኩም እትኣምኑሉን ኴንኩም ክትቈሙ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ይጋደለልኩም ኣሎ። 13 ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ከም ዚጽዕር፡ ኣነ እምስክረሉ እየ። 14 ሉቃስ+ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን+ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 15 ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋን ነታ ኣብ ቤታ ዘላ ጉባኤን+ ሰላም በሉለይ። 16 እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነብበት፡ ኣብ ጉባኤ ሰብ ሎዲቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፣+ ንስኻትኩም እውን ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ኣንብብዋ። 17 ንኣርኪጶስ+ ድማ፡ “ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትፍጽማ፡ ተጠንቀቕ” በልዎ። 18 እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ።+ ማእሰርተይ+ ዘክሩ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። 3 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩና እዩ፣+ 2 ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኼጽንዓኩምን* ኬጸናንዓኩምን ከኣ፡ ነቲ ሓውናን በቲ ብስራት ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣምላኽን* ዝዀነ ጢሞቴዎስ+ ልኢኽናዮ ኢና፣ 3 ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይናወጽ* ኢልና ኢና። ካብ ከምዚ ዝበለ ጸበባ ኸነምልጥ ከም ዘይንኽእል፡* ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 4 ምሳኻትኩም ከለና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀይኑ።+ 5 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባት እቲ ፈታኒ+ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ፡ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ ተኣማንነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ልኢኸ እየ።+ 6 ጢሞቴዎስ ግና ካባኻትኩም ሕጂ ናባና መጺኡ ኣሎ፣+ ብዛዕባ ተኣማንነትኩምን ፍቕርኹምን፡ ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከኣ ክትርእዩና ትናፍቑ ኸም ዘለኹም ኣበሲሩና እዩ። 7 ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላኹምን ሳላ ተኣማንነትኩምን ኣብ ኵሉ ጭንቅናን* ጸበባናን እተጸናናዕና።+ 8 ብጐይታ ስለ ዝጸናዕኩም፡ ህይወትና ተሓዲሳ ኣላ።* 9 ስለቲ ብሳላኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝረኸብናዮ ሓጐስ፡ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኸነመስግኖ፧ 10 ገጽኩም ክንርእን ኣብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን ብእተኻእለና መጠን ብጽኑዕ ንምህለል ኣለና።+ 11 ኣቦና ኣምላኽ ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዑ። 12 ጐይታ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕሪ፡ ነታ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ዘላትኩም ፍቕሪ ይወስኸልኩምን የብዝሓያን፣+ 13 እዚ ድማ ጐይታና የሱስ+ ምስ ኵሎም ቅዱሳቱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብቕድስና መንቅብ ዘይብልኩም ኴንኩም ክትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ እዩ።+ 1 ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን*+ ጢሞቴዎስን፡+ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ምስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 2 ብዛዕባ ዅላትኩም ኣብ ጸሎትና ኽንጠቅስ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና፣+ 3 ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን ሳላ እታ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘላትኩም ተስፋ+ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና። 4 ኣቱም ብኣምላኽ እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ንሱ ኸም ዝሓረየኩም ፈሊጥና ኢና፣ 5 ስለምንታይሲ፡ እቲ ዝሰበኽናልኩም ብስራት ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብጽኑዕ እምነትን እውን እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ኣባኻትኩምን ምእንታኹምን ከመይ ዝበልና ኸም ዝዀንና እውን ትፈልጡ ኢኹም። 6 ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ቓል ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጸበባ+ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ብምቕባልኩም፡ ንዓናን+ ንጐይታን+ ትመስሉ ኣለኹም። 7 ስለዚ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ኣመንቲ ኣርኣያ ዄንኩምዎም ኢኹም። 8 ኣብ ኣምላኽ ዘላትኩም እምነት ኣብ ኵሉ ተዘርጊሓ+ ኣላ እምበር፡ ቃል የሆዋ* ኻባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዐ፣ ስለዚ፡ ሓንቲ እኳ ኽንብል ኣየድልየናን እዩ። 9 ከመይሲ፡ ኣብ ፈለማ ኸመይ ጌርና ኸም ዝረኸብናኩምን ካብ ጣኦታትኩም+ ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ ንሳቶም ባዕላቶም የውርዩ ኣለዉ፣ እዚ ዝገበርኩም ከኣ፡ ነቲ ህያውን ናይ ሓቅን ኣምላኽ ክትግዝኡን 10 ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ኻብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜናግፈና+ ወዱ የሱስ ካብ ሰማያት ክትጽበዩን+ ኢልኩም ኢኹም። 2 ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ዝገበርናዮ ምብጻሕ፡ ብዘይ ፍረ ኸም ዘይኰነ፡ ብርግጽ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 2 ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ+ መከራ እኳ እንተ ጸገብናን እንተ ተገፋዕናን፡ ኣብ መንጎ ኽንደይ ተቓውሞ* ብስራት ኣምላኽ+ ክንነግረኩም ብኣምላኽና ተቢዕና ኢና። 3 እቲ እንምዕደኩም ምዕዶስ ካብ ስሕተት ወይስ ካብ ርኽሰት ወይስ ብተንኰል ኣይኰነን፣ 4 የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ብስራት ሕድሪ ምእንቲ ኺውሃበና ብኣምላኽ ተመርሚርና ብቑዓት ዝዀንና፡ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንልብና ዚምርምር ኣምላኽ ከም እነሐጕስ ኴንና ኸምኡ ንዛረብ ኣለና።+ 5 ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ብናይ ሽሕጣን ዘረባ ወይ ብስስዐ ተደሪኽና ኣምሰሉታት ኴንና ኸም ዘይመጻእናኩም፡+ ኣምላኽ ምስክርና እዩ። 6 ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ጾር ክንከውን ንኽእል እኳ እንተ ነበርና፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ኰታስ ካብ ሰብ ክብሪ ኣይደለናን።+ 7 እኳ ደኣስ፡ ከምታ ንደቃ እትሕብሕብ እተጥቡ ኣደ ዄንና፡ ኣብ ማእከልኩም ልኡማት ኢና ኔርና። 8 ንዓኻትኩም ልባዊ ፍቕሪ ስለ ዘሕደርና ኸኣ፡ ገዛእ ርእስና*+ እውን እምበር፡ ብስራት ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን ከነካፍለኩም ቈሪጽና* ዝነበርና፣ ምኽንያቱ፡ ኣፍቂርናኩም ኢና።+ 9 ኣሕዋተየ፡ ነቲ ጻዕርናን ልፍዓትናንሲ ትዝክርዎ ኢኹም። ብስራት ኣምላኽ ክንሰብከልኩም ከለና፡ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡+ ለይትን መዓልትን ንዓዪ ኔርና ኢና። 10 ንዓኻትኩም ንኣመንቲ ኸመይ እሙናትን ጻድቃንን መንቅብ ዘይብሎምን ከም ዝነበርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን መሰኻኽር ኢኹም። 11 ከምቲ ኣጸቢቕኩም እትፈልጥዎ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም፡+ ከም ኣቦ ንውሉዱ፡+ ንምዕደኩምን ነጸናንዓኩምን ንምስክረልኩምን ኔርና ኢና፣ 12 ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ ነቲ ናብ መንግስቱን+ ክብሩን+ ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትመላለሱ ኢና።+ 13 ስለዚ ኸኣ ኢና ንሕና እውን ንኣምላኽ ከየቋረጽና እነመስግኖ ዘለና፣+ ስለምንታይሲ፡ ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ፡ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ እውን ዚዓዪ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ። 14 ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለወን ጉባኤታት ኣምላኽ መሲልኩምወን ኣለኹም፣ ምኽንያቱ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸጊብኩም ኢኹም።+ 15 ንሳቶም ንጐይታና የሱስን+ ንነብያትን እኳ ቐቲሎምዎም እዮም፡ ንዓና እውን ሰጒጎምና እዮም።+ ምስ ጥቕሚ ዅሉ ሰብ ደኣ ይጻረሩ ኣለዉ እምበር፡ ንኣምላኽሲ ኣየሐጕስዎን እዮም ዘለዉ፣ 16 ከመይሲ፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም ኪኽልክሉና ይፍትኑ እዮም።+ በዚ ኸምዚ፡ ኵሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ግና ቍጥዓኡ መጾም።+ 17 ኣሕዋተየ፡ ንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ፡ ብኣካል ንቝሩብ ግዜ ኻባኻትኩም ምስ ተፈለና፡ ገጽኩም ክንርኢ ኣዚና ስለ እተመነና፡ ብዙሕ ኢና ጽዒርና። 18 ስለዚ፡ ናባኻትኩም ክንመጽእ ድሌት ነይሩና እዩ፣ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክልተ ሳዕ ፈቲነ ነይረ፣ ሰይጣን ግና ዓጊቱና። 19 ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋንሲ፡ ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ኣኽሊል ፍስሃና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧+ 20 ንስኻትኩምሲ ኽብርናን ሓጐስናን ኢኹም። 4 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ኸም ዚግብኣኩም ካባና ትእዛዝ እተቐበልኩም፡+ ከምቲ እትመላለስዎ እውን ዘለኹም፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምሕጸነኩምን ኣለና። 2 ብጐይታና የሱስ ዝሃብናኩም ትእዛዛትሲ ትፈልጥዎ ኢኹም። 3 ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን+ ካብ ምንዝርና* ኽትርሕቁን እዩ።+ 4 ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ* ብቕድስናን+ ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣+ 5 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ+ ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ+ ድማ ኣይትመርሑ። 6 ሓደ እኳ በዚ ነገር እዚ ኻብ ግቡእ ደረት ኣይሕለፍ፡ ንሓዉ እውን ኣይበለጸሉ፣ ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ኣጸቢቕና ዘጠንቀቕናኩምን፡ ነቶም ነዚ ነገራት እዚ ዚገብሩ ዘበሉ ዚቐጽዖም የሆዋ* እዩ። 7 ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን።+ 8 ስለዚ፡ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንዓኻትኩም ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ+ ኣምላኽ እምበር፡+ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። 9 ብዛዕባ ሕውነታዊት ፍቕሪ ግና፡+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየናን እዩ።+ 10 ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት እውን ከምኡ ትገብሩሎም ኣለኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ንምሕጸነኩም ኣለና። 11 ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ብህድኣት ክትነብሩን+ ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን+ ብኣእዳውኩም ክትዓይዩን+ ጽዓቱ፣ 12 በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደለኹም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብኣደብ ትመላለሱ።+ 13 ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡+ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም* ዘለዉ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና።+ 14 የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ኣሚንና እንተ ዄንናስ፡+ እቶም ብየሱስ ዝሞቱ* እውን ከምኡ፡ ኣምላኽ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ።+ 15 ንሕና እቶም ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህልወሉ እዋን ብህይወት እንጸንሕ ዘበልና፡ ነቶም ዝሞቱ* ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል የሆዋ* ንነግረኩም ኣለና፣ 16 ከመይሲ፡ ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን+ ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፣ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ከለዎም ዝሞቱ ኸኣ፡ ቅድም ኪትንስኡ እዮም።+ 17 ድሕሪኡ፡ ንሕና ብህይወት ዝጸናሕና፡ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡+ ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንምንዛዕ ኢና፣+ በዚ ኸምዚ፡ ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንከውን ኢና።+ 18 ስለዚ፡ በዘን ቃላት እዚአን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ። 5 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ግዜያትን እዋናትን ኪጽሓፈልኩም ኣየድልን እዩ። 2 ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ*+ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና ኸም እትመጽእ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 3 “ሰላምን ደሓንን!” ኪብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፣+ ከቶ እውን ኣይኬምልጡን እዮም። 4 ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ንሰረቕቲ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን፣ 5 ከመይሲ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም።+ ንሕናስ ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።+ 6 እምበኣር፡ ንንቃሕን+ ቀልብና ንሓሉን+ እምበር፡ ከም ካልኦት ኣይንደቅስ።+ 7 እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፣ እቶም ዚሰኽሩ እውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ።+ 8 ንሕና ግና ናይ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን ለቢስና፡ ተስፋ ድሕነት እውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና ቐልብና ንሓሉ፣+ 9 ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድሕነት ክንረክብ እምበር፡+ ንቝጥዓ ኣይመደበናን። 10 የሱስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡* ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡+ ምእንታና ሞይቱ እዩ።+ 11 ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎ ዘለኹም፡ ንሓድሕድኩም ተተባብዑን* ተሃናነጹን።+ 12 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዚጽዕሩን ብጐይታ ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ከተኽብርዎም ንልምነኩም ኣለና፣ 13 ስለቲ ዕዮኦም፡ ብፍቕሪ ኣብሊጽኩም ኣኽብርዎም።+ ንሓድሕድኩም እውን ብሰላም ንበሩ።+ 14 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዘይ ስርዓት ንዚመላለሱ ኣጠንቅቕዎም፡*+ ንእተጨነቑ* ኣጸናንዕዎም፡ ንድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅሎም ተዓገስዎም ኢልና ንምሕጸነኩም ኣለና።+ 15 ሓደ እኳ ንኻልእ ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ፣+ ግናኸ፡ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ክትገብሩ ተጋደሉ።+ 16 ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ።+ 17 ከየቋረጽኩም ጸልዩ።+ 18 ብዅሉ ኣመስግኑ።+ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባኹም ዘለዎ ፍቓድ እዚ እዩ። 19 ሓዊ መንፈስ ኣይተጥፍኡ።+ 20 ትንቢት ኣይትንዓቑ።+ 21 ንዅሉ መርምርዎ፣+ ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ። 22 ካብ እከይ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ።+ 23 ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ምሉእ ብምሉእ ይቐድስኩም። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን መንፈስኩምን ነፍስኹምን* ሰብነትኩምን ብምሉኡ ጥዑይ ኰይኑ ብዘይ መንቅብ ይተሓሎ።+ 24 እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኪገብሮ እዩ። 25 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ብቐጻሊ ጸልዩ።+ 26 ንዅሎም ኣሕዋት ብቕዱስ ምስዓም ሰላም በልዎም። 27 እዛ ደብዳበ እዚኣ ንዅሎም ኣሕዋት ክትንበብ፡ ብጐይታ እምሕጸነኩም ኣለኹ።+ 28 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 3 ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ቃል የሆዋ* ኸምቲ ኣባኻትኩም ኰይንዎ ዘሎ ብፍጥነት ኪዝርጋሕን+ ኪኸብርንሲ ብቐጻሊ ጸልዩልና።+ 2 እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡+ ካብ ጐዳእትን እኩያትን ሰባት ምእንቲ ኽንናገፍ+ እውን ጸልዩልና። 3 ጐይታ ግና እሙን እዩ፣ ንሱ እውን ኬበርትዓኩምን ካብቲ እኩይ ኪሕልወኩምን እዩ። 4 ነቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘለኹምን ብሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባኹም ብጐይታ ንተኣማመን ኢና። 5 ጐይታ ድማ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን+ ናብ ተጻዋርነት+ ክርስቶስን የቕንዓዮ። 6 ኣቱም ኣሕዋትና፡ በቲ ኻባና እተቐበልኩምዎ* ስርዓት* ዘይኰነስ፡+ ብዘይ ስርዓት ካብ ዚመላለስ+ ዘበለ ሓው ክትርሕቑ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣለና። 7 ኣብ መንጎኹም ብዘይ ስርዓት ስለ ዘይተመላለስና፡ ከመይ ጌርኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 8 ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ጾር ከይንኸውን ኢልና፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ብልፍዓትን ደኣ ኢና ዓዪና እምበር፡+ ካብ ሓደ እኳ ብናጻ* እንጌራ ኣይበላዕናን።+ 9 ስልጣን ስለ ዘይብልና ዘይኰነስ፡+ ንዓና ምእንቲ ኽትመስሉ፡ ኣርኣያ ኽንኰነኩም ደሊና ኢና ኸምኡ ዝገበርና።+ 10 ምሳኻትኩም ከለና እውን፡ “ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣይብላዕ” ኢልና ንእዝዘኩም ኔርና ኢና።+ 11 ከመይሲ፡ ገለ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡+ ኣብ ዘይምልከቶም ከም ዚኣትዉ እምበር፡ ከም ዘይዓይዩ፡ ንሰምዕ ኣለና።+ 12 ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።+ 13 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩምሲ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። 14 ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሓፍርሲ፡ ምልክት ግበሩሉ፡* ደጊም ምስኡ እውን ኣይትሕበሩ።+ 15 ግናኸ፡ ከም ሓው ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላእስ ኣይትቝጸርዎ።+ 16 ጐይታ ሰላም ባዕሉ ብዅሉ መገዲ ዅሉ ሳዕ ሰላም ይሃብኩም።+ ጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን። 17 እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ፣+ እዚኣ ኣብ ኵለን ደብዳበታተይ ምልክት እያ፣ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ። 18 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን። 1 ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን* ጢሞቴዎስን፡+ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦ 2 ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 3 ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየትን ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝወሰኸትን፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ።+ 4 ስለዚ፡ ንሕና ባዕልና በቲ ኣብ ኵሉ ጾይርኩምዎ ዘለኹም መስጐጕትኹምን ጸበባኹምን+ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን እምነትን ኣብ መንጎ ጉባኤታት ኣምላኽ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና።+ 5 እዚ ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ መርትዖ እዩ፣ ነታ መከራ እትጸግቡላ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ከም እትቝጸሩ ድማ ይገብር።+ 6 ነቶም ዜጽብቡልኩም ዘለዉ ጸበባ ኺፈድስ፡ ኣብ ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ።+ 7 ንዓኻትኩም ንዝጸበበኩም ግና፡ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ ሓያላት መላእኽቲ+ ኺግለጽ ከሎ፡+ ምሳና ዕረፍቲ ኺውሃበኩም እዩ። 8 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንብስራት ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።+ 9 እዚኣቶም ካብ ቅድሚ ጐይታን ካብ ክብሪ ሓይሉን ርሒቖም፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም፣+ 10 እዚ ድማ ምስ ቅዱሳቱ ኪኸብርን በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ኸም ግሩም ጌርካ ኺርአን ኣብ ዚመጸሉ ግዜ ኪኸውን እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዝመስከርናዮ፡ ኣባኻትኩም ተኣሚኑ እዩ። 11 ምእንቲ እዚ ድማ፡ ኣምላኽና ንጽውዓኡ ብቑዓት ገይሩ ኪቘጽረኩም፡+ ኵሉ እቲ ዚደልዮ ሰናይን* ኵሉ ግብሪ እምነትን እውን ብሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንጽሊ ኣለና። 12 እዚ ኸኣ ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኽበር፡ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት ምእንቲ ኽትከብሩ እዩ። 2 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ እቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉን+ ንሕና ናብኡ እንእከበሉን እዋን፡+ እዚ ንልምነኩም ኣለና፦ 2 መዓልቲ የሆዋ*+ መጺኣ ኣላ ኢልኩም፡ ብድራኸ መንፈስ ብዚዝረብ ዘረባ፡*+ ወይ ብቓል፡ ወይ ካባና ብእትመስል ደብዳበ፡ ካብ ሓሳብኩም ቀልጢፍኩም ኣይትናወጹ፡ ወይ እውን ኣይትሰምብዱ። 3 ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡+ እቲ ጠሓስ ሕጊ ዝዀነ ሰብ፡+ እቲ ወዲ ጥፍኣት+ ድማ ከይተገልጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ስለ ዘይትመጽእ፡ ብዝዀነ ይኹን ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። 4 ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ እናኣርኣየ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምእንቲ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ኣብ ዚብሃል ወይ ኣብ ዚምለኽ ዘበለ ዅሉ ርእሱ ልዕል ዜብል ተጻራሪ እዩ። 5 ኣነ ገና ምሳኻትኩም ከለኹ፡ እዚ እነግረኩም ከም ዝነበርኩ ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧ 6 ብግዜኡ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኢኹም። 7 ምስጢር እዚ ጥሕሰት ሕጊ እዝስ ይዓዪ ኣሎ፣+ እዚ ግና፡ እቲ ዚኽልክሎ ዘሎ ኻብ መገዱ ኽሳዕ ዜልግስ ጥራይ እዩ። 8 ሽዑ ኸኣ፡ እቲ ጠሓስ ሕጊ ኺግለጽ እዩ፣ ንዕኡ እውን ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ኼጥፍኦን+ ብምግሃድ እቲ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ከንቱ ኺገብሮን እዩ።+ 9 እቲ ጠሓስ ሕጊ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ግና፡ ብዅሉ ግብሪ ሓይልን ብናይ ሓሶት ትእምርትታትን ተኣምራትን+ ብተግባር ሰይጣን+ እዩ ዚኸውን፣ 10 እቶም ዚጠፍኡ፡ ንድሕነቶም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ ድማ፡ ሽዑ ንዓታቶም ከም ፍዳ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ+ የታልሎም እዩ። 11 ስለዚ ኸኣ እዩ ኣምላኽ፡ ንሓሶት ምእንቲ ኺኣምኑ፡ ብዜታልል ጽልዋ ኺስሕቱ ዝሓደጎም፣+ 12 ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ ንሓቂ ስለ ዘይኣመኑ፡ የግዳስ ብዓመጻ ባህ ስለ ዝበሎም፡ ኵሎም ምእንቲ ኺፍረዱ እዩ። 13 ግናኸ፡ ኣቱም ብየሆዋ* እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ብመንፈሱ ብምቕዳስን+ በታ ኣብ ሓቂ ዘላትኩም እምነትን ንድሕነት ስለ ዝሓረየኩም፡+ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ። 14 ክብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ በቲ ዘበሰርናኩም ብስራት ገይሩ ናብዚ ጸዊዑኩም እዩ።+ 15 እምበኣር፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጽንዑ፡+ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳበታትና እተመሃርኩምዎ ስርዓታት ሓዝዎ።+ 16 ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረና፡+ ብጸጋ እውን ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን+ ዝሃበና ኣቦና ኣምላኽን 17 ብዅሉ ሰናይ ግብርን ብቓልን ንልብኹም የጸናንዕዎን የጽንዕዎን።* 3 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፦ ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጢሩ፡+ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ። 2 እምበኣር፡ እቲ ሓላዊ ዘይውቀስ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ወረጃ፡* ለባም፡*+ ስርዓት ዚሕሉ፡ ተቐባል ጋሻ፡+ ንምስትምሃር ብቑዕ፡+ 3 ዘይሰክር፡+ ዘይዋቓዕ፡* ልዙብ፡*+ ዘይብኣስ፡+ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ፡+ 4 ንቤተ ሰቡ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብር፡* ብዅሉ ርዝነት ዚግዝኡ ውሉዳት ዘለውዎ ይኹን።+ 5 (ሓደ ሰብ ንቤተ ሰቡ ኼስተናብር* ካብ ዘይክእልሲ፡ ንጉባኤ ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺከናኸና ይኽእል፧) 6 ብትዕቢት ተነፊሑ፡ ናብቲ ንድያብሎስ እተፈርዶ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኣይኹን።+ 7 ኣብ ጸርፍን* ኣብ መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጽቡቕ እተመስከረሉ* ኪኸውን ይግባእ።+ 8 ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፉ፡+ 9 ቅዱስ ምስጢር እታ እምነት ብንጹህ ሕልና ዚሕዙ ኪዀኑ ይግባእ።+ 10 እዚኣቶም እውን ቅድም ብቕዓቶም ይመርመር፣ ሽዑ፡ ዚንቀፉሉ ዘይብሎም ክሳዕ ዝዀኑ፡ የገልግሉ።+ 11 ኣንስቲ እውን ከምኡ፡ ረዘንቲ፡ ዘይሓመይቲ፡+ ወራዙት፡* ብዅሉ እውን እሙናት ኪዀና ይግባእ።+ 12 ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ቤተ ሰቦምን ጽቡቕ ገይሮም ዜስተናብሩ ይኹኑ። 13 ከመይሲ፡ እቶም ጽቡቕ ገይሮም ዜገልግሉ፡ ጽቡቕ ስምን ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንምዝራብ ዜኽእል ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም። 14 ናባኻ ቐልጢፈ ኽመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣለኹ። 15 እንተ ደንጕየ ግና፡ ኣብ ቤተ ሰብ ኣምላኽ፡+ ማለት ኣብታ ናይታ ሓቂ ዓንድን ደገፍን ዝዀነት ጉባኤ ህያው ኣምላኽ፡ ብኸመይ ክትመላለስ ከም ዚግብኣካ ምእንቲ ኽትፈልጥ እየ እዚ ዝጸሓፍኩልካ። 16 እወ፡ እቲ ቕዱስ ምስጢር እዚ ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት ኣማን ብኣማን ዓብዪ እዩ፦ ‘ንሱ ብስጋ ተጋሂዱ፡+ ብመንፈስ ጸዲቑ፡+ ንመላእኽቲ ተራእዩ፡+ ኣብ ኣህዛብ ተሰቢኹ፡+ ኣብ ዓለም ተኣሚኑ፡+ ብኽብሪ ዓሪጉ እዩ።’ 1 ካብቲ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን ክርስቶስ የሱስ ተስፋናን+ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ 2 ናብቲ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ+ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፦*+ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹነልካ። 3 ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ምስ በልኩ ኣብ ኤፌሶን ክትጸንሕ ዘተባባዕኩኻ፡ ገሊኦም እተፈልየ ትምህርቲ ኸይምህሩ ምእንቲ ኽትእዝዝ፡ ሕጂ እውን ከምኡ እብለካ ኣለኹ። 4 ናብ ጽውጽዋያትን+ ናብ ቍጽሪ ወለዶታትን ከየቕልቡ እውን ኣዝዝ። እዚ ነገራት እዚ ኣብ መወዳእታኡ ዚረብሕ ነገር የብሉን፣+ ንእምነት ብዚምልከት ካብ ኣምላኽ ገለ እኳ ኣብ ክንዲ ዜምጽእ፡ ግምታት ጥራይ እዩ ዜላዕል። 5 ዕላማ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ካብ ንጹህ ልብን ካብ ሰናይ ሕልናን ግብዝና ኻብ ዘይብላ እምነትን+ እትርከብ ፍቕሪ+ እዩ። 6 ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ኣላጊሶም ኣለዉ።+ 7 ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ብምትእምማን ኣትሪሮም ዚዛረቡሉ ነገር ዘይርድእዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ።+ 8 እቲ ሕጊ ብግቡእ* ኣብ ተግባር እንተ ውዒሉ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 9 ሕጊ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፣ የግዳስ፡ ንጠሓስቲ ሕግን+ ንዓለወኛታትን፡ ንኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን፡ ንዘይእሙናት፡* ንርኹሳት፡ ንቐተልቲ ኣቦታቶምን ንቐተልቲ ኣዴታቶምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ 10 ንኣመንዝራታት፡* ግብረ ሶዶም ንዚገብሩ፡* ንጨወይቲ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ምስቲ ጥዑይ* ትምህርቲ+ ንዚጻረር ካልእ እውን እዩ ተሰሪዑ። 11 እዚ ድማ ከምቲ ንዓይ ሕድሪ እተዋህበኒ ኽቡር ብስራት እቲ ሕጉስ ኣምላኽ እዩ።+ 12 ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ጐይታና ክርስቶስ የሱስ አመስግኖ እየ። ከመይሲ፡ ንኣገልግሎት ብምምዳብ፡ ከም እሙን ቈጺሩኒ እዩ።+ 13 ቀደም ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን ዝነበርኩ ኽነሰይ፡+ ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን ስለ ዝገበርክዎ፡ ተማሒረ እየ። 14 ጸጋ ጐይታና ድማ ምስቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዚዙ እዩ። 15 እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ፦ ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን እዩ መጺኡ።+ ካባታቶም እውን ኣነ ኣውራ እየ።+ 16 ግናኸ፡ ክርስቶስ የሱስ ብኣይ ብኣውራ ገይሩ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ብእኡ ዚኣምኑ ዘበሉ፡+ ኵሉ ዓቕሉ ኸም ኣብነት ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ እተመሓርኩ። 17 ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡+ ዘይሓልፍ፡+ ዘይርአ+ ሓደ ኣምላኽ፡+ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ግርማን ይኹኖ። ኣሜን። 18 ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ብዛዕባኻ እተነግረ ትንቢታት፡ በዚ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡+ እዚ ትእዛዝ እዚ አማዕቍበካ ኣለኹ። 19 እምነትን ሰናይ ሕልናን ሓዝ፣+ ገሊኦም ንሕልናኦም ስለ ዝደርበይዎ፡ እምነቶም ከም እተሰብረት መርከብ ኰይና ጠፊኣ ኣላ። 20 ሄሜኔዎስን+ እስክንድሮስን ካባታቶም እዮም፣ ንዓታቶም ድማ ብተግሳጽ ምእንቲ ኺምሃሩ እምበር፡ ከይጻረፉ ንሰይጣን ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ።+ 2 ቅድሚ ዅሉ እምበኣር፡ ምህለላን ጸሎትን ማልዶትን ምስጋናን ምእንቲ ዅሉ ዓይነት ሰብ፡ 2 ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን እውን ኪቐርብ እምዕድ ኣለኹ።+ ንኣምላኽ ብዘሎና ምሉእ ተወፋይነትን ብምሉእ ርዝነትን፡ ብህድኣትን ብርግኣትን ምእንቲ ኽንነብር ኢና ኸምኡ እንገብር።+ 3 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ኣምላኽ+ ሰናይን ቅቡልን እዩ፣ 4 ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን+ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ። 5 ኣምላኽሲ ሓደ እዩ፣+ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ከኣ፡+ ሓደ መንጎኛ እዩ ዘሎ፣+ ንሱ ድማ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ እዩ።+ 6 ኣብ ክንዲ ዅሉ* እውን ገዛእ ርእሱ ተመዓራራዪ በጃ ገይሩ ሂቡ እዩ፣+ ብዛዕባ እዚ ኸኣ እዩ ብግዜኡ ዚምስከር። 7 ምእንቲ እዚ ምስክር እዚ ድማ፡+—ሓቂ እብል ኣለኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡—ሰባኽን ሃዋርያን፡+ ማለት ብዛዕባ እምነትን ሓቅን መምህር ኣህዛብ+ ኰይነ ተሸይመ እየ። 8 እምበኣር፡ ሰብኡት ብዘይ ቍጥዓን+ ክትዕን+ እሙናት ኣእዳው ኣልዒሎም፡+ ኣብ ኵሉ ቦታ ብቐጻሊ ኺጽልዩ እደሊ ኣለኹ። 9 ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቝኖ፡ ብወርቂ፡ ብሉል፡ ወይስ ብኣዝዩ ኽቡር ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ትሕትናን ልብምናን* ብዜርኢ ግቡእ* ክዳውንቲ፡+ 10 ንኣምላኽ ተወፋይነት ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡+ ማለት ብሰናይ ግብሪ ይሰለማ። 11 ሰበይቲ ብዅሉ እናተገዝአት ብጸጥታ* ትመሃር።+ 12 ሰበይቲ ብጸጥታ* ኽትነብር እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ ኣይፈቅድን እየ።+ 13 ከመይሲ፡ ቅድም ኣዳም እዩ ተገይሩ፣ ደሓር ከኣ ሄዋን።+ 14 ኣዳም ኣይተታለለን፣ እታ ሰበይቲ ግና ኣጸቢቓ ተታሊላስ+ ኣቢሳ እያ። 15 ሰበይቲ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ልብምና*+ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ደሓን ክትከውን እያ።*+ 4 በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ብድራኸ መንፈስ ናብ ዚዝረብ ዜስሕት ዘረባታትን*+ ናብ ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓል* ብንጹር ይብል እዩ። 2 እዚ ድማ ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም ዝሓረረ ሓሰውቲ እዩ ዚኸውን።+ 3 ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ፡+ እቲ ኣምላኽ በቶም ዚኣምኑን+ ንሓቂ ብልክዕ ዚፈልጡን ብምስጋና ኺብላዕ ዝፈጠሮ+ ብልዒ ሕሩም ኪኸውን ከኣ ይእዝዙ እዮም።+ 4 ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽሲ ጽቡቕ እዩ፣+ ብምስጋና እንተ ተቐቢልካዮ ኸኣ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን፣+ 5 ከመይሲ፡ ብቓል ኣምላኽን ብጸሎትን ተቐዲሱ እዩ። 6 ነቶም ኣሕዋት እዚ ምኽሪ እዚ ብምሃብ፡ ቃላት እምነትን ነቲ ጠቢቕካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ትምህርትን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ክርስቶስ የሱስ ክትከውን ኢኻ።+ 7 ግናኸ፡ ነቲ ኸም ናይ ኣረገውቲ ኣንስቲ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ጽውጽዋያት ኣርሕቆ።+ ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ከም ሸቶኻ ጌርካ ርእስኻ ኣሰልጥን። 8 ከመይሲ፡ ኣካላዊ ስልጠና ንቝሩብ እዩ ዚጠቅም፣ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወትን ነታ እትመጽእ ህይወትን ተስፋ ስለ ዘለዎ፡ ንዅሉ እዩ ዚጠቅም።+ 9 እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ። 10 ተስፋና ኣብቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡+ ምናዳ ንእሙናት፡ ዜድሕን+ ህያው ኣምላኽ ስለ ዝገበርና ኸኣ ኢና እንጽዕርን እንጋደልን ዘለና።+ 11 እዚ ኣዝዝን ምሃርን። 12 ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ። የግዳስ፡ ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም። 13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ንህዝቢ ኣብ ምንባብን+ ኣብ ምምዓድን* ኣብ ምምሃርን ትጋህ። 14 ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኣእዳው ሽማግለታትን+ እተዋህበካ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15 ብዛዕባ እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፣* ዕቤትካ ንዅሉ ርኡይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ነዚ ነገር እዚ ዅለንትናኻ ወፊ። 16 ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር።+ ኣብዚ ነገር እዚ ጽናዕ፣ እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።+ 6 እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ትምህርትን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡+ ነቶም ዋናታቶም ምሉእ ክብሪ ኸም ዚግብኦም ገይሮም ይቝጸርዎም።+ 2 እቶም ዚኣምኑ ዋናታት ዘለውዎም፡ ኣሕዋቶም ስለ ዝዀኑ፡ ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣስ፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ኣገልግሎቶም ዚጥቀሙ ኣመንትን ፍቑራትን ስለ ዝዀኑ፡ ብዝበለጸ ይገዝእዎም። እዚ ነገር እዚ ምሃርን ምዓድን። 3 ሓደ እኳ ኻልእ ትምህርቲ እንተ ምሂሩ፡ ምስቲ ኻብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ጥዑይ* ትእዛዝን+ ምስቲ ንኣምላኽ ምስ ዘሎካ ተወፋይነት ዚሰማማዕ ትምህርትን ከኣ እንተ ዘይተሰማሚዑ፡+ 4 ንሱ ብትዕቢት እተነፍሐ ሓንቲ እኳ ዘይርዳእ እዩ።+ ብኽትዕን ብዛዕባ ቓላት ብምክርኻርን እውን ዝሓመመ እዩ።+ ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ሕሜት፡* ክፉእ ጥርጣረ፡ 5 እቶም ኣእምሮኦም እተበላሸወን+ ሓቂ ዝሓረሞምን ዚብልዎ መኘኽኘኽ ዚመጽእ። እዚኣቶም፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት መርብሒ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።+ 6 ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ምስ ዕግበትሲ* ብርግጽ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ።+ 7 ከመይሲ፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን፡ ሓንቲ እውን ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና።+ 8 ምግብን* ክዳንን* እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።+ 9 እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡+ ንሰብ ናብ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብ ዜስጥም ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ።+ 10 ከመይሲ፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት* እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምቢሎም፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።+ 11 ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም። ግናኸ፡ ጽድቂ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ተጻዋርነት፡ ልእመት+ ስዓብ። 12 ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፣ ነታ እተጸዋዕካላን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ብጽቡቕ እተኣመንካላን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጽኒዕካ ሓዛ። 13 ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ብህይወት ዜንብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ከም ምስክር ብጽቡቕ እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን+ እዚ እእዝዘካ ኣለኹ፦ 14 ክሳዕ ግህደት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ+ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ወቐሳን ሓልዎ። 15 ነዚ ኸኣ እቲ ሕጉስን በይኑ ስልጣን ዘለዎን ኣብቲ ምዱብ ግዜያት ኪገልጾ እዩ። ንሱ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን፡+ 16 በይኑ ዘይመውት፡+ ሓደ ሰብ እኳ ዘይረኣዮ ወይ ኪርእዮ ዘይክእል+ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር እዩ።+ ንዕኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ሓይልን ይኹን። ኣሜን። 17 ነቶም ኣብዚ ስርዓት* እዚ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ኣብዚሑ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡+ በቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ ተስፋ ኸይገብሩ ኣዝዞም።+ 18 ሰናይ ኪገብሩ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡+ 19 በዚ ኸምዚ ኸኣ ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዖም ምእንቲ ኺሕዝዋስ፡+ ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም።+ 20 ኦ ጢሞቴዎስ፡ ካብ ዜርክስ ሃተውተውን ካብቲ ብሓሶት “ፍልጠት” ዚብሃል ግርጭታትን ተኣሊኻ፡+ ነቲ እተዋህበካ ሕድሪ ሓልዎ።+ 21 ገሊኦም እዚ ፍልጠት እዚ ኺርኣየሎም ኢሎም፡ ካብ እምነት ዘምቢሎም ኣለዉ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። 5 ንዓብዪ ኸም ኣቦኻ ጌርካ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዘልፎ።+ ንኣጕባዝ ከም ኣሕዋትካ ተማሕጸኖም፣ 2 ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም ኣዴታትካ፡ ንንኣሽቱ ኣንስቲ ኸም ኣሓትካ ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ተማሕጸነን። 3 ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና መበለታት* ተኸናኸነን።*+ 4 ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣልዮምዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡+ ንሳቶም ቅድም ኣብ ቤተ ሰቦም ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት ኬርእዩ፡+ ንወለዶምን ንወለዲ ወለዶምን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ።+ 5 እታ ብሓቂ መበለት ዝዀነትን ሓንቲ እውን ዘይብላን ሰበይቲ፡ ተስፋኣ ኣብ ኣምላኽ እያ እትገብር፣+ ለይትን መዓልትን ከኣ ብምህለላን ብጸሎትን እያ እትጸንዕ።+ 6 እታ ንተድላ እትነብር ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውትቲ እያ። 7 እምበኣር፡ ዚውቀሱሉ ዘይብሎም ምእንቲ ኪዀኑ፡ እዚ ኣዝዝ። 8 ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ኸኣ ንቤተ ሰቡ ዘይናቢ እንተ ዀይኑ፡ እምነት ዝኸሓደ፡ ካብቲ ዘይኣምን እውን ዝገደደ እዩ።+ 9 ኣብ መዝገብ እትምዝገብ መበለት፡ ካብ 60 ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፡ 10 ውሉዳት ብምዕባይ፡+ ኣጋይሽ ብምቕባል፡+ እግሪ ቕዱሳት ብምሕጻብ፡+ ንዝጸበቦም ብምርዳእ፡+ ጽቡቕ ግብሪ ዘበለ ብትግሃት ብምስዓብ፡ ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ ትኹን።+ 11 ንኣሽቱ መበለታት ግና ፍትወተ ስጋ ኣብ መንጎአንን ኣብ መንጎ ክርስቶስን ዕንቅፋት ኪኸውን ከሎ፡ ኪምርዓዋ ይደልያ እየን እሞ፡ ንዓታተን ኣይትመዝግበን። 12 ንሳተን ነታ ቐዳመይቲ መግለጺ እምነተን* ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ ኣለወን። 13 ምስናይዚ እውን፡ ቤተ ቤት እናዞራ ትህኪት እየን ዚምሃራ፣ ትህኪት ጥራይ ዘይኰነ እውን፡ ዘይግባእ እናተዛረባ ወረኛታትን ወልፋሳትን ይዀና።+ 14 እምበኣር፡ እተን ንኣሽቱ መበለታት ኪምርዓዋ፡+ ውሉዳት ኪወልዳ፡+ ቤተን ኪኣልያ፡ ተጻራሪ ዚነቕፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ እደሊ ኣለኹ። 15 ገሊኣተንሲ ንሰይጣን ኪስዕባ ድሮ ዘምቢለን ኣለዋ። 16 ንሓንቲ እትኣምን ሰበይቲ፡ መበለታት ቤተ ሰብ እንተ ኣልየናኣ፡ ነታ ጉባኤ ጾር ምእንቲ ኸይኰናስ፡ ንሳ ትደግፈን። እታ ጉባኤ ኸኣ ነተን ብሓቂ መበለታት* ትድግፈን።+ 17 ነቶም ብጽቡቕ ዚመርሑ ሽማግለታት፡+ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ፡+ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።+ 18 ከመይሲ፡ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ “ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡”+ ከምኡ ድማ፡ “ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ”+ ይብል እዩ። 19 ብመርትዖ ኽልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እንተ ዘይኰይኑ፡+ ብዛዕባ ሽማግለ ዚቐርብ ክሲ ኣይትቀበል። 20 ነቶም ብሓጢኣት ዚመላለሱ፡+ ንኻልኦት ከም መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪዀኑ፡* ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም።+ 21 ኣቐዲምካ ኸይፈረድካ ወይ ብዘይ ኣድልዎ ነዚ ኽትሕሉ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ብጥብቂ እእዝዘካ ኣለኹ። 22 ብታህዋኽ ኣብ ልዕሊ ሓደ እኳ ኣእዳውካ ኣይተንብር፣*+ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት እውን ኣይትካፈል፣ ንርእስኻ ብንጽህና ሓሉ። 23 ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ሕማምን፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ደጊም ማይ ኣይትስተ።* 24 ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ብቐጥታ ድማ ናብ ፍርዲ ይመርሖም፣ ናይ ገሊኦም ግና ጸኒሑ እዩ ዚግሃድ።+ 25 ከምኡ ኸኣ ሰናይ ግብሪ ግሁድ እዩ፣+ እቲ ዘይግሁድ እውን ኪስወር ኣይከኣልን እዩ።+ 3 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት+ ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። 2 ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ 3 ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ 4 ጠላማት፡* ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡ 5 ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም፣+ ካብዚኣቶም ከኣ ርሓቕ። 6 ሰላሕ ኢሎም ናብ ቤተ ሰብ ዚኣትዉ፡ ብእተፈላለየ ትምኒታት ዚምርሓ ሓጢኣት ዝመልአን ድኹማት ኣንስቲ ኸኣ ዚማርኹ፡ ካብዚኣቶም ይትንስኡ እዮም። 7 ንሳተን ድማ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ፡ ግናኸ ናብቲ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ኸቶ ዘይክእላ እየን። 8 ከምቲ ያኔስን ያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እዚኣቶም እውን ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። እዚኣቶምሲ ኣእምሮኦም እተበላሸወን ብዛዕባ እምነት ዘይብቑዓትን እዮም። 9 ግናኸ፡ ከምቲ ናይቶም ክልተ ዕሽነት እተገልጸ፡+ ናይ እዚኣቶም ዕሽነት እውን ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ዕቤት ኣይኪገብሩን እዮም። 10 ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንኣነባብራይ፡+ ንዕላማይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንፍቕረይ፡ ንተጻዋርነተይ ጠቢቕካ ስዒብካ ኢኻ። 11 ነቲ ኣብ ከም ኣንጾክያን+ ኢቆንዩምን+ ልስጥራን+ ዝበጽሓኒ መስጐጕትን መከራን እውን ትፈልጦ ኢኻ። እዚ መስጐጕቲ እዚ ተጻዊረ እየ፣ ጐይታ ድማ ካብዚ ዅሉ ኣናጊፉኒ እዩ።+ 12 እኳ ደኣስ፡ ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።+ 13 እኩያትን ኣምሰሉታትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።+ 14 ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ።+ 15 ካብ ሕጻንነትካ+ ኣትሒዝካ እውን፡ ነቲ ብእምነት ክርስቶስ የሱስ ንድሕነት ዜለብመካ+ ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ።+ 16 ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ* መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡+ ንምምሃርን+ ንምግናሕን ንምቕናዕን* ብጽድቂ ንምግሳጽን+ ከኣ ዚጠቅም እዩ፣ 17 እዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ እተዳለወ፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እዩ። 1 ካብቲ ምስታ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነት ተስፋ ህይወት ብእተተሓሓዘ፡+ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ 2 ናብቲ ፍቑር ወደይ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፦+ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹነልካ። 3 ለይትን መዓልትን ከየቋረጽኩ ኣብ ምህለላይ ንዓኻ ብምዝካረይ፡ ነቲ ኸምቲ ኣቦታተይ ዝገበርዎ ገይረ ብንጹህ ሕልና ዘገልግሎ* ኣምላኽ አመስግኖ ኣለኹ። 4 ንብዓትካ ኽዝክር ከለኹ፡ ብሓጐስ ምእንቲ ኽምላእ፡ ክርእየካ እናፍቕ ኣለኹ። 5 ነታ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካን ኤውንቄ ኣዴኻን ዝሓደረት፡ ኣባኻ ኸም ዘላ እውን ዝተኣማመነላ ግብዝና ዘይብላ እምነትካ እዝክራ ኣለኹ።+ 6 በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ብምንባር ኣእዳወይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት+ ኣምላኽ ከተጐሃህሮ አዘክረካ ኣለኹ። 7 ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን+ ፍቕርን ልብምናን እምበር፡ መንፈስ ፍርሂ ኣይሃበናን።+ 8 እምበኣር፡ ኣብቲ ሓይሊ ኣምላኽ ብምትእምማን፡+ ምእንቲ እቲ ብስራት ብእጃምካ መከራ ጽገብ ደኣ እምበር፡+ ብዛዕባ ጐይታና ብዚውሃብ ምስክርነት+ ወይስ ስሊኡ ብእተኣሰርኩ ብኣይ ኣይትሕፈር። 9 ኣምላኽ ሳላ ግብርና ዘይኰነስ፡ ሳላ ፍቓዱን ሳላ ጸጋኡን ኣድሒኑና፡+ ብቕዱስ ጽውዓ እውን ጸዊዑና እዩ።+ እዚ ጸጋ እዚ፡ ቅድሚ ነዊሕ ግዜያት ብክርስቶስ የሱስ እኳ እንተ ተዋህበና፡ 10 ሕጂ ግና ብግህደት መድሓኒና ክርስቶስ የሱስ ተገሊጹ ኣሎ፣+ ንሱ ንሞት ስዒሩ፡+ በቲ ብስራት+ ንህይወትን+ ንዘይምሕላፍን+ ኣብሪህዎ እዩ። 11 ነዚ ድማ፡ ኣነ ሰባኽን ሃዋርያን መምህርን ክኸውን ተሸይመ እየ።+ 12 ስለዚ ኸኣ እየ እዚ መከራ እዚ ዝጸግብ ዘለኹ፣+ ግናኸ፡ ኣይሓፍርን እየ።+ ከመይሲ፡ ነቲ ዝኣምኖ እፈልጦ እየ፣ ንሱ ነቲ ብሕድሪ ዝሃብክዎ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኺሕልዎ ኸም ዚኽእል ድማ እተኣማመን እየ።+ 13 እቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ መለክዒ* እቲ ጥዑይ* ቃል፡+ በቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎካ ሓድነት ዚርከብ እምነትን ፍቕርን ሓዞ። 14 ነዚ ጽቡቕ ሕድሪ እዚ፡ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።+ 15 ኵሎም እቶም ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘለዉ፡+ ከም ዝጠንጠኑኒ ትፈልጥ ኢኻ። ፍጌሎስን ሄርሞጌኔስን ከኣ ካባታቶም እዮም። 16 ጐይታ ንቤተ ሰብ ኦኔሲፎሮስ+ ምሕረት ይሃብ፣ ንሱስ ብዙሕ ሳዕ ንመንፈሰይ ኣሐዲሱለይ እዩ፣ ብሰንሰለት ማእሰርተይ እውን ኣይሓፈረን። 17 እኳ ደኣስ፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሃለው ኢሉ ደልዩ ረኺቡኒ እዩ። 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ የሆዋ* ምሕረት ኪረክብሲ፡ ጐይታ ይሃቦ። ንዅሉ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዘገልገሎ ኣገልግሎት እውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። 2 ኣታ ወደየ፡+ እምበኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ብቐጻሊ በርትዕ፣ 2 እቲ ብብዙሓት መሰኻኽር እተደገፈ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ነገራት፡+ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚበቕዑ እሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም። 3 ከም ንፉዕ ወተሃደር+ ክርስቶስ የሱስ ብእጃምካ መከራ ጽገብ።+ 4 ወተሃደር ኰይኑ ዜገልግል ዘበለ፡ ነቲ ወተሃደር ኪኸውን ዝኸተቦ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ፡ ብንግዳዊ ዕዮ* ዚጠላለፍ የልቦን። 5 ኣብ ጸወታ ዚወዳደር እውን፡ ከምቲ ስርዓት ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ፡ ኣኽሊል ኣይሽለምን እዩ።+ 6 እቲ ዚጽዕር ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቕድም ኪካፈል ይግብኦ እዩ። 7 ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ሕሰበሉ፣ ጐይታ ኣብ ኵሉ ምስትውዓል ኪህበካ እዩ። 8 ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ብስራት፡+ የሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአን+ ካብ ዘርኢ ዳዊት ከም ዝዀነን ዘክር፣+ 9 ብዛዕባኡ ኸም ገበነኛ ተቘጺረ ኽሳዕ ማእሰርቲ መከራ እጸግብ ኣለኹ።+ ግናኸ፡ ቃል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ።+ 10 ስለዚ፡ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም እውን ነቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ድሕነት ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዅሉ እጻወር ኣለኹ።+ 11 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፦ ምስኡ እንተ ሞይትናስ፡ ምስኡ እውን ብህይወት ክንነብር ኢና፣+ 12 እንተ ተጻዊርና፡ ምስኡ እውን ክንነግስ ኢና፣+ እንተ ኽሒድናዮ፡ ንሱ እውን ኪኽሕደና እዩ፣+ 13 ዘይእሙናት እንተ ዄንና፡ ንሱ ንርእሱ ኪኽሕድ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዚነብር። 14 በቲ ንዚሰምዕዎ ዚጐድእ* ዘይረብሕ ቃላት ከይብኣሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እናኣዘዝካ፡* እዚ ኣዘኻኽሮም። 15 ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ዚጥቀም፡ ዜሕፍር ዘይብሉ ብቕዓቱ ዘመስከረ ዓያዪ ጌርካ፡ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተቕርብ ጽዓር።+ 16 ካብቲ ዜርክስ ሃተውተው ግና ርሓቕ፣+ ከመይሲ፡ ናብ ዝገደደ ረሲእነት እዩ ዚመርሕ፣* 17 ቃሎም ከኣ ከም ብዚ* ኺልሕም እዩ። ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ካባታቶም እዮም።+ 18 ንሳቶም፡ ትንሳኤ ድሮ ዀይኑ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም ኣለዉ፣+ እምነት ገሊኦም እውን ይገላብጡ ኣለዉ። 19 እዚ ዀይኑ ግና፡ እቲ፡ “የሆዋ* ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡”+ ከምኡ ድማ “ስም የሆዋ* ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ፡+ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ” ዚብል ማሕተም ዘለዎ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ቈይሙ ኣሎ። 20 ኣብ ዓብዪ ቤት ድማ ኣቕሑ ዕንጨይትን መሬትን እውን እምበር፡ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፣ ገሊኡ ንኽብረት፡ ገሊኡ እውን ንውርደት እዩ ዚኸውን። 21 እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኻብዚ ዳሕረዋይ እንተ ርሒቑ፡ ንኽብሪ ዚኸውን ኣቕሓ፡ እተቐደሰ፡ ንዋናኡ ዚጠቅም፡ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ እተዳለወ ኪኸውን እዩ። 22 ስለዚ፡ ካብ ትምኒት ንእስነት ህደም፣ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንጐይታ ዚጽውዕዎ ኸኣ ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ። 23 ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ ካብ ናይ ዕሽነትን ድንቍርናን ክርክር ርሓቕ።+ 24 ባርያ ጐይታስ ንዅሉ ልኡም፡*+ ንምስትምሃር ብቑዕ፡ ኪብደል ከሎ ርእሱ ዚገትእ+ ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ፣ 25 ነቶም ተጻረርቲ እውን ብልእመት ኪምህሮም ይግባእ።+ ምናልባት ኣምላኽ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ዚመርሕ ንስሓ ይህቦም+ 26 እሞ ኻብ መፈንጠራ እቲ ፍቓዱ ኺገብሩ ኢሉ ብህይወቶም ከለዉ ዝሓዞም ድያብሎስ+ ኣምሊጦም፡ ናብ ልቦም ይምለሱ ይዀኑ። 4 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን+ ኪፈርድ ዘለዎ+ ክርስቶስ የሱስን ብግህደቱን+ ብመንግስቱን+ እእዝዘካ ኣለኹ፦ 2 ነቲ ቓል ስበኽ፣+ ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን ብህጹጽ ግበሮ፣ ብዅሉ ዓቕልን ጥበብ ኣመሃህራን+ ከኣ ግናሕ፡+ ውቐስ፡ ምዓድ። 3 ከመይሲ፡ ከም ትምኒቶም፡ ኣእዛኖም ዚዅርኵዑሎም* መምህራን ኪእክቡ እምበር፡+ ነቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ እዋን ኪመጽእ እዩ።+ 4 ንሓቂ ኻብ ምስማዕ ኣእዛኖም ኪመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያት ከኣ ኬቕልቡ እዮም። 5 ንስኻ ግና ብዅሉ ቐልብኻ ሓሉ፡ መከራ ተጻወር፡+ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡* ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ፈጽም።+ 6 ኣነስ ድሮ ኸም መስዋእቲ መስተ እፈስስ ኣለኹ፣+ እታ ናጻ ዝዀነላ ግዜ+ እውን ቀሪባ እያ። 7 ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡+ እቲ ጕያ ወዲአ፡+ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ። 8 ካብ ሕጂ ንደሓር፡ እቲ ጻድቕ ፈራዲ+ ዝዀነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዓስቢ ዚህበኒ+ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ፣+ እዚ ግና ነቶም ግህደቱ ዝፈተዉ እውን እምበር፡ ንዓይ ጥራይ ኣይኰነን። 9 ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር። 10 ዴማስ+ ነዚ ስርዓት* እዚ ስለ ዝፈተወ፡ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ፣ ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ከኣ ናብ ደልማጥያ ኸይዶም እዮም። 11 ሉቃስ ጥራይ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማሊእካዮ ምጻእ። 12 ንትኪቆስ+ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ። 13 ክትመጽእ ከለኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሓደግክዎ ባርኖስን እቲ ጥቕላላት መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ። 14 እስክንድሮስ እቲ ኣንጠረኛ ነሓሲ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ እዩ። የሆዋ* ኸም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።+ 15 ንሱ ንመልእኽትና ብዙሕ ተጻሪርዎ እዩ እሞ፡ ንስኻ እውን ካብኡ ተሓሎ። 16 ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡—ኣይተሓዘሎም ደኣ እምበር፡—ሓደ እኳ ኣብ ጐድነይ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ኵላቶም ሓዲጎምኒ እዮም። 17 እቲ ስብከት ብኣይ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጸምን ኵሎም ኣህዛብ ምእንቲ ኺሰምዕዎን ግና፡+ ጐይታ ኣብ ጐድነይ ቈይሙ ኣበርቲዑኒ እዩ፣ ካብ ኣፍ ኣንበሳ እውን ተናጊፈ እየ።+ 18 ጐይታ ኻብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱ እውን ኬድሕነኒ እዩ።+ ንዕኡ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 19 ንጵርስካን ንኣኪላስን+ ንቤተ ሰብ ኦኔሲፎሮስን+ ሰላም በለለይ። 20 ኤራስጦስ+ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ ኣሎ፣ ንጥሮፊሞስ+ ግና ሓሚሙ ኣብ ሚሊጦስ ሓዲገዮ ኣለኹ። 21 ቅድሚ ኽረምቲ ኽትመጽእ ጽዓር። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵሎም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። 22 ጐይታ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋኡ ምሳኻትኩም ይኹን። 3 ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን፡+ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ ኣዘኻኽሮም። 2 ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልዙባት* ኪዀኑ፡+ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ኬርእዩ+ እውን ኣዘኻኽሮም። 3 ከመይሲ፡ ንሕና እውን ሓደ እዋን ዓያሹ፡ ዘይእዙዛት፡ ዝሰሓትና፡ ብእተፈላለየ ትምኒታትን ተድላን እንግዛእ፡ ብኽፍኣትን ብቕንእን እንነብር፡ ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ኢና ኔርና። 4 እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ+ ዘለዎ ለውሃትን ንሰብ ዘለዎ ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ 5 (እዚ ድማ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡+ ብምሕረቱ እዩ ዝዀነ፡)+ በቲ ናብ ህይወት ዘምጽኣና ሕጽበትን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን+ ኣድሒኑና እዩ።+ 6 ነዚ መንፈስ እዚ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሲስዎ እዩ።+ 7 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብጸጋኡ ምስ ጸደቕና፡+ ከም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡+ ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን እዩ።+ 8 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፣ እቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ኣብ ምግባር ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ብዛዕባ እዚ ብምትእምማን ኣትሪርካ ኽትዛረቦም እደሊ እየ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። 9 ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ክትዕን ብዛዕባ ሕጊ ዚልዓል ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሓቕ።+ 10 ንመናፍቕ ከኣ፡+ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡*+ ኣርሕቆ፣+ 11 ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ዘንቢሉ ይሓጥእ ከም ዘሎን ባዕሉ ንርእሱ ኸም ዝዀነነን ድማ ፍለጥ። 12 ንኣርጤማስ ወይስ ንትኪቆስ+ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበ ኣለኹ እሞ፡ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር። 13 ንዜናስ እቲ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ እኳ ኸይጐድሎም ዚከኣለካ ዘበለ ኣማልኣሎም።+ 14 እቶም ናትና እውን ብዘይ ፍረ ምእንቲ ኸይኰኑ፡+ ነቲ ብህጹጽ ዜድልዮም ንምምላእ፡+ ሰናይ ግብሪ ምግባር ይምሃሩ። 15 ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዚፈትዉና ሰላም በለለይ። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። 1 ካብቲ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን ዝዀነ ጳውሎስ፡—ከምኡ ዝዀነ ድማ ከም እምነት እቶም ሕሩያት ኣምላኽን ከም ልክዕ ፍልጠት ሓቅን እዩ፣ እዛ ሓቂ እዚኣ ኸኣ ንኣምላኽ ምስ ዘሎና ተወፋይነት እትሰማማዕን 2 ኣብቲ ኺሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ፡+ ጥንቲ ዘተስፈወና ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እተመስረተትን እያ፣+ 3 ግናኸ፡ ብትእዛዝ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት+ ገይሩ ብግዜኡ ንቓሉ ገሊጽዎ እዩ፡— 4 ናብቲ በታ ናይ ሓባር እምነት ናይ ሓቂ ወደይ ዝዀነ ቲቶስ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ መድሓኒና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልካ። 5 ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ጕድለት ክትእርምን ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት ክትሸይምን እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፣ 6 ማለት ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብዝርጋን* ወይ ብዕልወት ዘይተኸስሱ ኣመንቲ ውሉዳት ዘለውዎ እንተሎ።+ 7 ከመይሲ፡ ሓላዊ ብኣምላኽ እተሸመ ኣመሓዳሪ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ብርእሱ ዘይምካሕ፡+ ዘይቍጡዕ፡+ ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡* ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፍ፡ 8 የግዳስ፡ ተቐባል ጋሻ፡+ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡*+ ጻድቕ፡ እሙን፡+ ርእሱ ዚገትእ፡+ 9 በቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ምእንቲ ኼተባብዕን*+ ነቶም ዚቃወሙ ምእንቲ ኺገንሕን፡+ ብጥበብ ኣመሃህራ ገይሩ ነቲ እሙን ቃል* ኣጽኒዑ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ።+ 10 ከመይሲ፡ ብዙሓት ዓለወኛታትን ሃተውተው በሃልትን መታለልትን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም።+ 11 ንሳቶም ዘይግቡእ ረብሓ ኺረኽቡ ኢሎም ዘይግባእ እናመሃሩ ንብዘሎ ቤተ ሰብ ዚገላብጡ ብምዃኖም፡ ኣፎም ኪዕበሱ ኣለዎም። 12 ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ እኳ፡ “ቅሬጥሳውያን ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ ሕሱማት ኣራዊት፡ ሃካያት በላዕቲ እዮም” ኢሉ እዩ። 13 እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም፣ 14 ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ሰባትን ከየቕልቡ እውን ኣሕሚምካ ግንሓዮም። 15 ንንጹሃት ኵሉ ንጹህ እዩ።+ ንርኹሳትን ንዘይኣምኑን ግና፡ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የልቦን።+ 16 ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፣ ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዘይበቕዑን ብምዃኖም ግና፡ ብግብሮም ይኽሕድዎ እዮም።+ 2 ንስኻ ግና ምስቲ ጥዑይ* ትምህርቲ ዚሰማማዕ ተዛረብ።+ 2 ኣረገውቲ ሰብኡት ወራዙት፡* ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትን ብፍቕርን ብተጻዋርነትን ጥዑያት ይኹኑ። 3 ኣረገውቲ ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቕድስና ዚነብራ፡ ዘይሓመይቲ፡ ንብዙሕ ወይኒ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ይኹና፣ 4 በዚ ኸምዚ ነተን ንኣሽቱ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኬፍቅራ፡ ንውሉዳተን ኬፍቅራ ይምከራአን፣* 5 ለባማት፡ ንጹሃት፡ ኣብ ቤተን ዚዓይያ፡* ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚግዝኣ+ ኪዀና እውን ይምከራአን።* እዚ ዚግበር ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍ እዩ። 6 ንኣጕባዝ እውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ብቐጻሊ ተማሕጸኖም።+ 7 ብዅሉ ነገር ኣርኣያ ሰናይ ግብሪ ኹን። ብዅሉ ርዝነት ንጹህ ዘበለ* ምሃር፣+ 8 ኪንቀፍ ዘይከኣል ጥዑይ* ዘረባ ተዛረብ፣+ እዚ ድማ እቶም ተጻረርቲ ብዛዕባና ዚብልዎ ኣሉታዊ* ነገር ስኢኖም ምእንቲ ኺሓፍሩ እዩ።+ 9 ባሮት ንዋናታቶም ብዅሉ ይገዝእዎም፡+ ባህ የብልዎም፡ ኣይታረኽዎም፡ 10 ኣይስረቕዎም፣+ የግዳስ፡ ብዅሉ ንትምህርቲ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስልሙ፡+ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ይኹኑ። 11 ከመይሲ፡ እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ድሕነት ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ።+ 12 እዚ ኸኣ፡ ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና፡+ ኣብዚ ስርዓት* እዚ ብልብምናን ብጽድቅን ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነትን ክንነብር የሰልጥነና።+ 13 ነቲ ዜሐጕስ ተስፋን+ ነቲ ኽቡር ግህደት እቲ ዓብዪ ኣምላኽን እቲ መድሓኒና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን እናተጸበና ድማ ኢና ነዚ እንገብር። 14 ክርስቶስ ካብ ኵሉ ጥሕሰት ሕጊ ናጻ ምእንቲ ኼውጽኣና፡*+ ንርእሱ እውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ፍሉይ ጥሪቱ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡+ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሂቡ እዩ።+ 15 እዚ ብምሉእ ስልጣን ተዛረብን ምዓድን* ግናሕን።+ ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ። 1 ካብቲ ምእንቲ ክርስቶስ የሱስ እሱር+ ዝዀነ ጳውሎስን ጢሞቴዎስ+ ሓውናን፡ ናብቲ ፍቑር መዓይይትና ዝዀነ ፊልሞንን 2 ናብ ኣጵያ ሓብትናን ናብቲ ብጻይና ወተሃደር ዝዀነ ኣርኪጶስን+ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ጉባኤን፦+ 4 ኣብ ጸሎተይ ክጠቕሰካ ኸለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ።+ 5 ብዛዕባ እምነትካን ብዛዕባ እታ ንጐይታና የሱስን ንዅሎም ቅዱሳትን ዘላትካ ፍቕርን እሰምዕ እየ። 6 ኣብታ እምነት ምክፋልካ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ዅሉ ሰናይ ንምፍላጥ ኬለዓዕለካ እጽሊ እየ። 7 ከመይሲ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ብሓወይ ስለ ዝቐሰነ፡ ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን መጸናንዕን ረኺበ እየ። 8 ስለዚ፡ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ፡ ብክርስቶስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡ 9 ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂ እውን ምእንቲ ክርስቶስ የሱስ እሱር ኰይነ፡ ስለ ፍቕሪ እልምነካ ኣለኹ። 10 ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእሰርቲ* ዀይነ ዝወለድክዎ+ ወደይ ኦኔሲሞስ+ እልምነካ ኣለኹ። 11 ንሱ ኣቐዲሙ ኣይጠቕመካን እዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ንዓኻን ንዓይን ይጠቕመና እዩ። 12 ንዕኡ፡ እወ፡ ልበይ* እሰድደልካ ኣለኹ። 13 ኣነ እኳ ኣብቲ ምእንቲ እቲ ብስራት እተኣሰርክዎ ማእሰርቲ+ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ኣብዚ ምሳይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ። 14 ግናኸ፡ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይደለኹን።+ 15 ምናልባት ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ ይኸውን፡ ንሓጺር ግዜ* እተፈልየካ። 16 ንዓኻ ደጊም ከም ባርያ ዘይኰነስ፡+ ካብ ባርያ ዝበለጸ፡ ፍቑር ሓው እዩ፣+ ምናዳ ንዓይ ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ንዓኻ ግዳ ብስጋን ብጐይታን ክንደይ ከምኡ ዘይከውን! 17 እምበኣር፡ ፈታዊኻ* ኸም ዝዀንኩ ጌርካ እትርእየኒ እንተ ዄንካ፡ ንዓይ ከም እትቕበለኒ ጌርካ ብጽቡቕ ተቐበሎ። 18 ገለ በዲሉካ ወይስ ተዓድዩካ እንተ ዀይኑ፡ ኣባይ ቍጸሮ። 19 ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እጽሕፍ ኣለኹ፦ ኣነ ክኸፍለካ እየ፣ ንስኻ ገዛእ ርእስኻ ብዓል ዕዳይ ምዃንካ እውን ክነግረካ ኣየድልየንን እዩ። 20 እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ ኽጥቀም እደሊ ኣለኹ፦ ብክርስቶስ ንልበይ* ኣቕስነለይ። 21 ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒ እውን ተኣማሚነ እየ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ። 22 ምስናይዚ እውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሃበኩም*+ ተስፋ እገብር ኣለኹ እሞ፡ ቦታ ኣዳልወለይ። 23 እቲ ስለ ክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ ዝዀነ ኤጳፍራስ+ ሰላም ይብለካ ኣሎ። 24 እቶም መዓይይተይ ዝዀኑ ማርቆስን ኣርስጣርኮስን+ ዴማስን+ ሉቃስን+ እውን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። 25 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። 3 ስለዚ፡ ኣቱም ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ* ግደ ዘሎኩም ቅዱሳት ኣሕዋት፡+ ናብቲ እንእመነሉ ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ የሱስ ኣስተብህሉ።+ 2 ከምቲ ሙሴ ኣብ ቤት ኣምላኽ እሙን ዝነበረ፡+ ንሱ እውን ነቲ ዝሸሞ እሙን እዩ።+ 3 ከምቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንሱ* እውን ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ዚግብኦ ዀይኑ ተቘጺሩ እዩ።+ 4 ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ። 5 ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደሓር ዚንገር ከም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ፣ 6 ክርስቶስ ግና ከም ወዲ+ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ። ነቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓትን ነታ ኽሳዕ መወዳእታ እንምክሓላ ተስፋን ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናያስ፡ ንሕና ቤት ኣምላኽ ኢና።+ 7 ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ 8 ከምቲ ብመዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ።+ 9 ኣብኡ ኣቦታትኩም ን40 ዓመት ግብርታተይ ርእዮም ክነሶምሲ፡ ተሃላሊኾምንን ፈቲኖምንን።+ 10 ስለዚ፡ ነዚ ወለዶ እዚ ፈንፊነዮስ፡ ‘ወትሩ ብልቦም ዜላግሱ እዮም፣ ንመገድታተይ እውን ኣይፈለጥዎን’ ኢለ። 11 ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ ምሒለ።”+ 12 ኣሕዋተየ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ብምርሓቕ፡ ዘይኣምን እኩይ ልቢ ኸይህልዎ፡ ተጠንቀቑ፣+ 13 ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብሓጢኣት ተታሊሉ ኸይተርር፡ “ሎሚ” ኽሳዕ እተባህለ፡+ መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ። 14 ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረና እምንቶ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናዮስ፡ መማቕልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣለና።+ 15 እዚ ድማ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ ከምቲ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ” ኸም እተባህለ እዩ።+ 16 ሰሚዖም ዘነደርዎኸ መን እዮም፧ ኵሎም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ደይኰኑን፧+ 17 ንመንከ እዩ ኣምላኽ ን40 ዓመት ዝፈንፈኖም፧+ ነቶም ዝሓጥኡ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧+ 18 ንመንከ እዩ ናብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሓለሎም፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ 19 ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉ ኸኣ ንርኢ ኣለና።+ 7 እዚ ንጉስ ሳሌምን ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽን ዝነበረ መልከጼዴቅ እዝስ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ ረኺቡ ዝባረኾ፡+ 2 ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ዝሃቦ፡* ቀዳማይ ትርጉም ስሙ፡ “ንጉስ ጽድቂ” እዩ፣ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት፡ “ንጉስ ሰላም” እዩ። 3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።+ 4 እዚ በቲ ርእሲ ዓሌት* ዝዀነ ኣብርሃም ካብቲ ብሉጽ ምርኮ ዕሽር እተዋህቦ ሰብ እዚ ኸመይ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እሞ ርኣዩ።+ 5 ብመሰረት ሕጊ፡ እቶም ክህነት ዚቕበሉ ኻብ ደቂ ሌዊ ዘበሉ፡+ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቶም ዘርኢ ኣብርሃም* እኳ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ዕሽር ኪእክቡ ትእዛዝ ኣለዎም።+ 6 እዚ ወለዶኡ ኻብኦም ዘይኰነ ሰብ እዚ ግና፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሲዱ፡ ነቲ ተስፋታት ዝረኸበ እውን ባሪኽዎ እዩ።+ 7 እቲ ዝነኣሰ በቲ ዝዓበየ ኸም ዚባረኽ ኣይከሓድን እዩ። 8 በዚ ሓደ ወገን መወትቲ ሰባት ዕሽር ኪቕበሉ ኸለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚቕበል።+ 9 እቲ ዕሽር እተቐበለ ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሂቡ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ 10 ከመይሲ፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኽቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኻብ ኣቦኡ ዘይተወልደ ዘርኢ* እዩ ነይሩ።+ 11 እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡+ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ+ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧ 12 ከመይሲ፡ ክህነት ኪልወጥ ከሎ፡ እቲ ሕጊ እውን ኪልወጥ ኣለዎ።+ 13 እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉስ፡ ካብ ካልእ ነገድ እዩ፣ ካብቲ ነገድ እቲ ድማ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን።+ 14 ጐይታናስ ካብ ይሁዳ ኸም እተወልደ ንጹር እዩ፣+ ሙሴ ኸኣ ካህናት ካብቲ ነገድ እቲ ኸም ዝመጹ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረበን። 15 እዚ ዝበለጸ ንጹር ዚኸውን፡ ከም መልከጼዴቅ ዝኣመሰለ+ ኻልእ ካህን ምስ ዚትንስእ እዩ፣+ 16 ንሱ ኸምኡ ዝዀነ ድማ፡ በቲ ኣብ ስጋዊ ትውልዲ ዚምርኰስ ሕጋዊ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ዘይትጠፍእ ህይወት እዩ።+ 17 ከመይሲ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ”+ ተባሂሉ ተመስኪሩሉ እዩ። 18 እምበኣርሲ፡ እቲ ዝቐደመ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ፡ ተሳዒሩ እዩ።+ 19 ከመይሲ፡ ሕጊ ንሓደ እኳ ፍጹም ኣይገበረን፣+ እቲ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ+ ዚሓይሽ ተስፋ ብምትእትታዉ ግና፡+ ከምኡ ገይሩ እዩ። 20 ከምቲ እዚ ብዘይ ማሕላ ዘይተገብረ፡ 21 (ከመይሲ፡ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ዝዀኑ እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ግና በቲ ብዛዕባኡ፡ “የሆዋ፡* ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ”* ኢሉ ዝመሓሎ ማሕላ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፡)+ 22 ከምኡ ድማ የሱስ ዋሕስ እቲ ዝሓሸ ኺዳን ኰይኑ እዩ።+ 23 ከምኡ ኢሎም ከይቅጽሉ ሞት ይዓግቶም ብምንባሩ ኸኣ፡ ብዙሓት እናተተኻኽኡ ኻህናት ይዀኑ ነይሮም እዮም፣+ 24 ንሱ ግና ንዘለኣለም ስለ ዚነብር፡+ ዘይትካእ ክህነት ኣለዎ። 25 ስለዚ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡ፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኦም ኪልምን ብህይወት ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕኖም ይኽእል እዩ።+ 26 ከምዚ ዝኣመሰለ እሙንን ገርህን ዘይረኸሰን+ ካብ ሓጥኣን እተፈልየን ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለን+ ሊቀ ኻህናት ኪህልወና ይግባእ እዩ። 27 ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ+ መዓልቲ መዓልቲ መስዋእቲ ኬቕርብ ኣየድልዮን እዩ፣+ ከመይሲ፡ ገዛእ ርእሱ ምስ ኣቕረበ፡ ነዚ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገይርዎ እዩ።+ 28 ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፣+ እቲ ድሕሪ ሕጊ እተማሕለ ቓል ማሕላ+ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ+ ወዲ እዩ ዚሸይም። 12 ስለዚ፡ ብኽንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር ተኸቢብና ስለ ዘለና፡ ንዅሉ ኽብደትን ነቲ ብቐሊሉ ዚሓላልኸና ሓጢኣትን ንቐንጥጥ፣+ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቕድድም ከኣ ብተጻዋርነት ንጕየ፣+ 2 ናብቲ ናይ እምነትና ቐንዲ ወኪልን ፍጹም ገባርን ዝዀነ የሱስ ድማ ኣተኲርና ንጠምት።+ ንሱ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት* ተጻዊሩ፡ ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ከኣ ተቐሚጡ እዩ።+ 3 ምእንቲ ኸይትደኽሙን ከይትሕለሉንሲ፡*+ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ክንድዚ ዚኣክል ንጥቕሚ ርእሶም ዚጐድእ ተጻራሪ ዘረባ እተጻወረ ኣስተብህሉሉ።+ 4 ምስቲ ሓጢኣት እቲ ኽትቃለሱ ኸለኹም፡ ደምኩም ክሳዕ ዚፈስስ ገና ኣይተቓወምኩምን። 5 ነቲ ኸም ውሉዳት ገይሩ ኸምዚ ዚብለኩም ምዕዶ ፈጺምኩም ረሲዕኩምዎ ኢኹም፦ “ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ* ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገኒሑካ እውን ኣይትተሓለል፣ 6 የሆዋስ* ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ፣ ነቲ ኸም ውሉዱ ዚቕበሎ ዘበለ እውን ይገርፎ* እዩ።”+ 7 ከም ክፍሊ ተግሳጽኩም፡* ክትጻወሩ ኣሎኩም። ኣምላኽ ከም ውሉዳቱ ገይሩ ይርእየኩም ኣሎ።+ ኣቦኡ ዘይግስጾኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧+ 8 ካብቲ ዅሉ ዚቕበሎ ተግሳጽ እንተ ዘይተኻፊልኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉዳት ኣይኰንኩምን። 9 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሰብኣውያን ኣቦታትና* ይግስጹና ነይሮም፡ ነኽብሮም እውን ኔርና። ነቲ ኣቦ መንፈሳዊ ህይወትና ግዳ ኣዚና እናተገዛእናዮዶ ኽንነብር ኣይግብኣናን እዩ፧+ 10 እቲኣቶምሲ ንሓጺር ግዜ ኸም ዝመሰሎም ገይሮም እዮም ገሲጾምና፣ ንሱ ግና ካብ ቅድስናኡ ኽንማቐል ኢሉ ንጥቕምና እዩ ዚገብሮ።+ 11 ተግሳጽ ዘበለስ ዜጕሂ እምበር፡ ንግዜኡ ዜሐጕስ ኣይመስልን እዩ፣ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ብእኡ ዝሰልጠኑ ናይ ሰላም ፍረ፡ ማለት ጽድቂ የፍርየሎም እዩ። 12 ስለዚ፡ ዘርጋሕጋሕ ንዝበላ ኣእዳውን ረሸሽ ንዝበላ ኣብራኽን ኣደልድሉ፣+ 13 እቲ ዚሕንክስ ኪሓዊ እምበር፡ ወለም ምእንቲ ኸይብሎስ፡ ንኣእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።+ 14 ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላምን ቅድስናን ስዓቡ፣+ ብዘይ ቅድስናስ ሓደ እኳ ንጐይታ ኣይርእዮን እዩ። 15 ሓደ እኳ ጸጋ ኣምላኽ ከይስእን፡ መርዛም ሱር በቚሉ ድማ ከየሸግረኩም እሞ ብዙሓት ብእኡ ኸይረኽሱ ተጠንቀቑ።+ 16 ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣመንዝራ* ወይስ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ዚንዕቕ ከይከውን ድማ ተጠንቀቑ።+ 17 ንሱ ጸኒሑ ነቲ በረኸት ኪወርስ ምስ ደለየ ኸም እተኣብየስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ብንብዓት ሓሳብ* ኬለውጥ እኳ ኣጸቢቑ እንተ ደለየ፡+ ኣይጠቐሞን።* 18 ንስኻትኩምሲ ናብቲ ዚድህሰስን+ ብሓዊ ዚነድድን+ ናብ ጸሊም ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ህቦብላን+ 19 ናብ ደሃይ መለኸትን+ ናብቲ ምስ ሰምዕዎ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ+ ቓላት ዚዛረብ ድምጽን+ ኣይቀረብኩምን። 20 ንሳቶምሲ ነቲ፡ “እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንክይዎ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት”+ ዚብል ትእዛዝ ኪጾርዎ ኣይከኣሉን። 21 እቲ ትርኢት ኣዝዩ ዜፍርህ ስለ ዝነበረ እውን፡ ሙሴ፡ “እፈርህን ራዕራዕ እብልን ኣለኹ” ኢሉ እዩ።+ 22 ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን+ ናብ ከተማ እቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት የሩሳሌምን+ ናብ ኣእላፋት* መላእኽቲ 23 ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባን+ ናብ ጉባኤ እቶም ኣብ ሰማያት ተመዝጊቦም ዘለዉ በዅራትን ናብቲ ፈራድ ኵሉ ዝዀነ ኣምላኽን+ ናብ መንፈሳዊ ህይወት+ እቶም ፍጹማት ዝዀኑ ጻድቃንን+ 24 ናብ የሱስ እቲ መንጎኛ+ ሓድሽ ኪዳንን+ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል+ ብዝሓሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም ቀሪብኩም። 25 ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ* ተጠንቀቑ። እቶም ነቲ ኣብ ምድሪ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ዝሃቦም ምስማዕ ዝኣበዩ ኻብ ዘየምለጡስ፡ ነቲ ኻብ ሰማያት ዚዛረበና ዝባንና እንተ መሊስናሉ ግዳ ኸመይ ኢልና ኸነምልጥ!+ 26 ሽዑ፡ ድምጹ ንምድሪ ኣናዊጽዋ እዩ፣+ ሕጂ ግና፡ “ገና ሓንሳእ ንምድሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሰማይ እውን ከናውጾ እየ” ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ።+ 27 እዚ “ገና ሓንሳእ” ዚብል ቃል፡ ዘይተናወጸ ነገራት ጸኒዑ ምእንቲ ኺነብር፡ እተናወጸ ነገራት፡ ማለት እተገብረ ነገራት፡ ከም ዜልግስ እዩ ዜመልክት። 28 ስለዚ፡ ዘይትናወጽ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ እቲ ንኣምላኽ ብፍርሃት ኣምላኽን ብኣኽብሮትን ብቕቡል መገዲ እነገልግለሉ* ጸጋ ኣምላኽ ንቀበል። 29 ከመይሲ፡ ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ።+ 1 ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ንኣቦታትና ብነብያት ተዛሪብዎም እዩ።+ 2 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ በቲ ወራስ ኵሉ ገይሩ ዝሸሞ፡+ ብእኡ እውን ስርዓታት* ዝገበረ+ ወዱ ገይሩ ተዛሪቡና እዩ።+ 3 ንሱ ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽን+ ልክዕ ምስሊ ባህርዩን እዩ፣+ ንዅሉ እውን ብሓይሊ ቓሉ ጾይሩ ኣሎ። ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና ድማ፡+ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐሚጡ እዩ።+ 4 ስለዚ፡ ካብ ናይ መላእኽቲ ኣዝዩ ዚበልጽ ስም ብምውራስ፡+ ክሳዕ ክንድኡ ኻባታቶም በሊጹ እዩ።+ 5 ንኣብነት፡ ኣምላኽ ካብ መላእኽቲ ንመኖም እዩ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ፡”+ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፡ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ”+ ዝበሎ፧ 6 ከም ብሓድሽ ነቲ በዅሩ+ ናብ ዓለም ኪልእኾ ኸሎ ድማ፡ “ኵሎም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስገዱሉ”* ይብል። 7 ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ “መላእኽቱ መናፍስቲ፡ ኣገልገልቱ*+ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ይገብር” ይብል።+ 8 ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣+ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና* እያ። 9 ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።”+ 10 ከምኡ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣብ መጀመርታ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣ ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ 12 ከም ባርኖስ፡ ከም ክዳን ድማ ክትጥቕልሎም ኢኻ፣ ኪልወጡ እውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ” ይብል።+ 13 ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ “ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ፧+ 14 ኵላቶምዶ ነቶም ድሕነት ዚወርሱ ኼገልግሉ ዚለኣኹ መናፍስቲ ቕዱስ ኣገልግሎት* ኣይኰኑን፧+ 8 ቀንዲ ነጥቢ እቲ እንብሎ ዘሎና ኸኣ እዚ እዩ፦ ከምዚ ዝኣመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና፣+ ንሱ ድማ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ ተቐሚጡ ኣሎ፣+ 2 ናይታ ሰብ ዘይኰነስ፡ የሆዋ* ዝተኸላ መቕደስን+ ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ* እውን እዩ። 3 ሊቀ ኻህናት ዘበለስ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ እዩ ዚሽየም፣ ስለዚ፡ እዚ እውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ይግባእ እዩ።+ 4 ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውን፡ ከም ሕጊ ገይሮም መባእ ዜቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ካህን ኣይምዀነን ነይሩ።+ 5 እዚኣቶም ኣብ ምስልን ጽላሎትን+ እቲ ሰማያዊ ነገራት+ እዮም ዜገልግሉ፣* ከምቲ ሙሴ ነታ ድንኳን ኪገብር ምስ በለ እተዋህቦ መለኮታዊ ትእዛዝ እዩ፣ ከመይሲ፡ “ኵሉ ኸምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ጌርካ ተጠንቂቕካ ግበሮ” ኢልዎ እዩ።+ 6 ሕጂ ግና የሱስ ዝበለጸ ኣገልግሎት* ረኺቡ ኣሎ፣ ከምኡ ድማ መንጎኛ+ እቲ ኣብ ዝሓሸ ተስፋታት ብሕጊ እተሰረተ+ ዝሓሸ ኺዳን እዩ።+ 7 እቲ ቐዳማይ ኪዳን ኣበር እንተ ዘይህልዎ፡ እቲ ኻልኣይ ኣይመድለየን ነይሩ።+ 8 ከመይሲ፡ ከምዚ ኺብል ከሎ ይነቕፎም እዩ፦ “‘እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ።* 9 ‘ከምቲ ኣብታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ብኢዶም ሒዘ ዘውጻእክዎም+ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን፣ ብኺዳነይ ስለ ዘይጸንዑ፡ ኣነ እውን ብዛዕባኦም ምግዳስ ገዲፈዮ’ ይብል የሆዋ።* 10 “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳንሲ እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ።* ‘ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፡ ኣብ ልቦም እውን ክጽሕፎ እየ።+ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።+ 11 “‘ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን፡ “ንየሆዋ* ፍለጦ” ኢሉ ኣይኪምህሮን እዩ። 12 ከመይሲ፡ ዓመጻኦም ክምሕር፡ ሓጢኣቶም እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ።’”+ 13 “ሓድሽ ኪዳን” ብምባሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣእሪግዎ እዩ።+ እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ከኣ ኪጠፍእ ቀሪቡ እዩ።+ 11 እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡+ ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ* እያ። 2 ጥንቲ ዝነበሩስ* ብእኣ እዩ እተመስከረሎም። 3 እቲ ስርዓታት* ብቓል ኣምላኽ ከም እተሰርዐ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ዚርአ ኻብቲ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕል ኣለና። 4 ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕሪቡ እዩ፣+ ኣምላኽ ንመባኡ ብምቕባሉ፡* ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስኪሩሉ እዩ፣+ ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ።+ 5 ሄኖክ፡+ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣+ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ። 6 ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።+ 7 ኖህ+ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ንምድሓን ቤተ ሰቡ እትኸውን መርከብ ብእምነት ሰሪሑ እዩ፣+ በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ድማ ንዓለም ኰኒንዋ እዩ፣+ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀይኑ እዩ። 8 ኣብርሃም+ ምስ ተጸውዐ፡ ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዚዙ እዩ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ወጺኡ እዩ።+ 9 ኣብታ ምድሪ ተስፋ ጓና ዀይኑ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ብእምነት ይነብር ነይሩ እዩ፣+ ምስቶም ነታ ተስፋ እቲኣ መዋርስቱ ዝዀኑ ይስሃቅን ያእቆብን+ ከኣ ኣብ ድንኳን ተቐሚጡ እዩ።+ 10 ከመይሲ፡ ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ እዩ ዚጽበ ነይሩ።+ 11 ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡+ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ። 12 ስለዚ ድማ፡ ካብ ሓደ፡ ንሱ እውን ከም ምዉት ክነሱስ፡+ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝምብዛሖምን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዘይቍጸሩን+ ተወሊዶም እዮም።+ 13 ኵሎም እዚኣቶም ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡+ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐቢሎምዎ እዮም፣+ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ኸኣ ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም። 14 እቶም ከምዚ ኢሎም ዚዛረቡስ፡ መንበሪ ዚዀኖም ናታቶም ቦታ ኣጸቢቖም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ እዮም። 15 ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ይዝክሩ ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡+ ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። 16 ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ናይ ሰማይ ዝዀነት ንምርካብ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡+ ከም ኣምላኾም ብኣታቶም ኪጽዋዕ ኣይሓፍርን እዩ።+ 17 ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡+ ብእምነት ንይስሃቅ ሰዊእዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣—እቲ ተሓጒሱ ተስፋታት እተቐበለስ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኺስውኦ ፈቲኑ እዩ፣+— 18 እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” ተባሂሉሉ ኽነሱ እዩ።+ 19 ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ግና ሓሲቡ እዩ፣ ካብኡ እውን ብምሳሌያዊ መገዲ ረኺብዎ እዩ።+ 20 ይስሃቅ እውን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገራት ንያእቆብን+ ንኤሳውን+ ብእምነት መሪቕዎም እዩ። 21 ያእቆብ ኪመውት ምስ በለ፡+ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መሪቕዎም እዩ፣+ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸኣ ሰጊዱ እዩ።+ 22 ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ተዛሪቡ እዩ፣ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ* እውን ትእዛዝ ሂቡ እዩ።+ 23 ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡+ ኣዋጅ እቲ ንጉስ ከይፈርሁ፡+ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሓቢኦምዎ እዮም።+ 24 ሙሴ ምስ ዓበየ፡+ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣብዩ እዩ፣+ 25 ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ እዩ መከራ ኺጸግብ ዝሓረየ፣ 26 ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ኣተኲሩ ስለ ዝጠመተ፡ ካብ መዛግብቲ ግብጽስ ነቲ ቕቡእ* ብምዃን ዚጽረፎ ጸርፊ ዝበዝሐ ሃብቲ ገይሩ እዩ ቘጺርዎ። 27 ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ስለ ዝጸንዐ፡+ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ከይፈርሀ፡+ ብእምነት ንግብጺ ሓዲግዋ እዩ።+ 28 እቲ መጥፍኢ ንበዅራቶም ምእንቲ ኸይጐድእ፡* ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ኣብዒሉ እዩ።+ 29 ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳጊሮምዎ እዮም፣+ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሒጦም እዮም።+ 30 መካበብያ ያሪኮ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወዲቑ እዩ።+ 31 ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይተኣዘዙ ኣይጠፍአትን።+ 32 ደጊም እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡+ እኒ ባራቅ፡+ እኒ ሲምሶን፡+ እኒ ይፍታሕ፡+ እኒ ዳዊትን+ ሳሙኤልን+ ካልኦት ነብያትን ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ። 33 ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ስዒሮም፡+ ጽድቂ ኣምጺኦም፡ ተስፋታት ረኺቦም፡+ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዮም፡+ 34 ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፊኦም፡+ ካብ ስሕለት ሰይፊ ኣምሊጦም፡+ ካብ ድኻም በርቲዖም፡+ ኣብ ውግእ ሓይሎም፡+ ንወራሪ ሰራዊት ሰጒጎም እዮም።+ 35 ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም እየን፣+ ካልኦት ግና ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓራ ምውጻእ* ስለ ዝኣበዩ፡ ተሰቅዮም እዮም።